እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ እውን ጥራሓ ነበረት፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይነበራን። ፀልማት ከዓ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ነበረ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ እቲ ብርሃን ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንብርሃንን ንፀልማትን ፈለዮም። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ብርሃን “መዓልቲ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀልማት ከዓ “ለይቲ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ቀዳመይቲ መዓልቲ። እግዚኣብሄር ከዓ ጠፈር ገበረ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፤ ከምኡውን ኮነ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ጠፈር “ሰማይ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ካልአይቲ መዓልቲ። እግዚኣብሄር ድማ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፤ እቲ ንቑፅ መሬት ከዓ ይረአ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ንቑፅ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ድማ “እታ ምድሪ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ዘርኢ ዘለዎ ሳዕርን ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝፈሪ ኣእዋምን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። እታ ምድሪ ኸዓ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ሳዕርን፥ ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝህብ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ኣእዋምን ኣውፅአት። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሳልሰይቲ መዓልቲ። እግዚኣብሄር ድማ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፤ ንምልክት ንዘመናትን ንመዓልቲታትን ንዓመታትን ከዓ መፍለዪ ይኹኑ። ኣብ ምድሪ ንምብራህ፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹኑ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። እግዚኣብሄር ከዓ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፤ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ፥ እቲ ንእሽተይ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኽስልጥኑ፥ ከምኡውን ከዋኽብቲ ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኸብርሁ፥ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኽስልጥኑ፥ ንብርሃንውን ካብ ፀልማት ክፈልዩ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ራብዐይቲ መዓልቲ። እግዚኣብሄር ድማ “ማያት፥ ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ” በለ። እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን፥ ነቶም ማያት ዘውፅኦም በብዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ዝንቀሳቐሱ ዅሎምን፥ ክንፊ ዘለዎም በብዓይነቶም ኵሎም ኣዕዋፍን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ድማ “ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፤ ንኣዕዋፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ብዝሑ” ኢሉ ባረኾም። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሓምሸይቲ መዓልቲ። እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ፥ ህይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት፥ እንስሳን፥ በብወገኑ ዝንቀሳቐስን፥ ኣራዊትን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣራዊት ምድሪ በብወገኑ፥ እንስሳ በብወገኑ፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስውን በብወገኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ድማ ፈጠሮም። እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ሓመልማልን፥ ኣብ ውሽጡ ዝዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ናይ ዅሉ ኣእዋም ፍረን ሂበኩም ኣለኹ እሞ፥ ምግቢ ይኹንኩም። ንዅሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንዅሉ ኣራዊት ምድርን፥ ንዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝበቍል ሓመልማል፥ ምግቢ ይኹነሎም” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ። ሰማያትን ምድርን እቲ ዅሉ ሰራዊቶምን ተፈፀሙ። እግዚኣብሄር ድማ ዅሉ ስራሑ ብሽዱሽተ መዓልቲ ፈፂሙ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ ስራሑ ኣዕረፈ። እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ ዝፈጠሮን ካብቲ ዅሉ ዝገበሮን ግብሩ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ፥ ንኣኣ ባረኻን ቀደሳን። በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረላ መዓልቲ፥ ልደት ሰማያትን ምድርን እዙይ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ምድሪ ገና ዝናም ስለ ዘየዝነመ ኣብ ምድሪ እውን ዝሰርሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ፥ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ኦም ኣይነበረን፤ በቝሊውን ሓደኳ ኣይበቘለን ነበረ። ግና ንዅላ ምድሪ ዘስቲ ግመ፥ ካብ ምድሪ ይወፅእ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ብወገን ምብራቕ ኣብ ኤደን፥ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝፈጠሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ምርኣዩ ዘብህግ፥ ምብልዑ ኸዓ ጥዑም ዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ። ኣብ ማእኸል ገነት ከዓ እታ ህይወት እትህብን፥ እታ ኽፉእን ፅቡቕን እተፍልጥን ኦም ኣብቈለ። ንገነት ዘስቲ ሩባ ኸዓ ኻብ ኤደን ይወፅእ ነበረ። ካብኡ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ሩባታት ተመቒሉ ይውሕዝ ነበረ። ስም እቲ ቐዳማይ ሩባ ፊሶን ይበሃል። ንሱ ኣብ ኵላ ዙርያ እታ ወርቂ ዘለዋ ምድሪ ኤውላጥ ዝኸብብ እዩ። ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ፅሩይ እዩ፤ ኣብኣ ሉልን ክቡር እምንን ይርከብ። ስም እቲ ኻልኣይ ሩባ ድማ ግዮን ይበሃል። ንሱ እቲ ንዅላ ምድሪ ኢትዮጵያ ስም እቲ ሳልሳይ ሩባ ኸዓ ጤግሮስ ይበሃል። ንሱ እቲ ብምብራቕ ኣሶር ዝውሕዝ እዩ። እቲ ራብዓይ ሩባ ድማ ኤፍራጥስ ይበሃል። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ንሰብ ወሲዱ፥ ምእንቲ ኸልምዓን ክሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፦ “ካብቲ ኣብ ገነት ዘሎ ዅሉ ፍረ ኦም ብላዕ። ካብ ፍረ እታ ፅቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ፤ ካብኣ እንተ በሊዕኻ በታ ዝበላዕኻላ መዓልቲ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ኣዘዞ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ “ሰብ በይኑ ኽነብር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ ዝሰማማዕ ሓጋዚ ንፍጠረሉ” በለ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዅሉ ኣራዊት በረኻን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ መሬት ፈጠረ። እንታይ ኢሉ ስም ከም ዘውፅአሎም ምእንቲ ኽርኢ ኸዓ ናብ ኣዳም ኣምፅኦም። ኵሉ ህይወት ዘለዎ ድማ በቲ ኣዳም ዘውፅአሉ ስም ተሰምየ። ኣዳም ከዓ ንዅሉ እንስሳን፥ ነዕዋፍ ሰማይን፥ ንኣራዊት በረኻን፥ ስም ኣውፅአሎም። ንኣዳም ዝሰማማዕ ሓጋዚ ግና ኣይተረኽበን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣምፅአሉ፤ ደቀሰውን፤ ካብ ጐኑ ሓደ ዓፅሚ ወሲዱ ድማ፥ ነታ ስፍራኣ ብስጋ መልኣ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ነታ ኻብ ኣዳም ዝወሰዳ ዓፅሚ፥ ኣንስተይቲ ገይሩ ሰርሓ እሞ ናብ ኣዳም ኣምፅኣ። ሰበይቲ ትበሃል” በለ። ኣዳምን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራሖም ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይተሓፋፈሩን ነበሩ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ተመን “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና። ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእኸል ገነት ዘላ ኦም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ‘ከይትሞቱስ፥ ካብኣ ኣይትብልዑ፤ ኣይትንክእዋውን’ ኢሉና እዩ” በለቶ። እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ “እግዚኣብሄርስ በታ ኻብኣ ብትበልዑላ መዓልቲ፥ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ፥ ከም እግዚኣብሄርውን ከም እትኾኑ፥ ፅቡቕን ክፉእን ከዓ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ ‘ኣይትብልዑ’ ዝበለኩም እምበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ። ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ፤ ጥራሖም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈፅሊ በለስ ሰፍዮም ከዓ ኣገልደሙ። ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ፥ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት እንትመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከዓ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ፀዊዑ “ኣበይ ኣለኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰማዕኹ፤ ጥራሐይ ስለ ዝኾንኩ ድማ ፈሪሐ ተሓባእኹ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ። ኣዳም ከዓ “እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ፥ ካብታ ፍረ ኦም ሂባትንስ በሊዐ” በለ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፦ “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት ምድርን ርጉም ኩን። ብኸብድኻ ኺድ፤ ኵሉ ዘመን ህይወትካ ድማ ሓመድ ክትበልዕ ኢኻ። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ። ምድሪ እሾዅን ኣሜከላን ተብቍለልካ፤ በቝሊ በረኻ ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ። ኣዳም ድማ ንሰበይቱ፥ እኖ ዅሎም ህያዋን ስለ ዝኾነት “ሄዋን” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ካብ ቈርበት ክዳን ገበረሎም፤ ከደኖምውን። ስለዙይ ነታ ዝተፈጠረላ ምድሪ ምእንቲ ኸልምዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ገነት ኤደን ኣውፅኦ። ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ። ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣሞ፥ ጠነሰት፤ ንቃየልውን ወለደት። “ብረድኤት እግዚኣብሄር ወዲ ረኺበ” ድማ በለት። ደጊማውን ንሓዉ ኣቤል ወለደት። ኣቤል ጓሳ ኣባጊዕ ኾነ፤ ቃየል ከዓ ሓረስታይ ኮነ። ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ድማ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። ኣቤልውን ካብ በዅራት ኣባጊዑ ሰስቡሖም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ተመልከተ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ኣይተመልከተን። ቃየል ከዓ የመና ጐሃየ፤ ገፁውን ፀለመ። እግዚኣብሄር ድማ ንቃየል “ስለ ምንታይ ኰሪኻ? ስለ ምንታይከ ገፅካ ፀለመ? ፅቡቕ ጌርካ እንተትኸውንስ ገፅካ ምበርሀ ነይሩ። ፅቡቕ ስለ ዘይገበርካ ግና፥ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ኾይና ትፀናተወካ ኣላ፤ ድሌታውን ናባኻ እዩ፤ ንስኻ ግና ኣብ ልዕሌኣ ንገሰላ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንቃየል “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ። ቃየል ድማ “ኣይፈልጥን፤ ኣነዶ ሓላዊ ሓወይ እየ?” ኢሉ መለሰ። ስለዙይ ኣብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ዝተረገምካ ኢኻ። ንምድሪ ምስ ሓረስካያ ፍረኣ ኣይትህበካን እያ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ድንጉፅን ኰብላልን ቃየል ከዓ ንእግዚኣብሄር “ቅፅዓተይ ክፆሮ ዘይከኣለኒ ዓብዪ እዩ። እንሆ፥ ሎሚ ኻብ ገፅ ምድሪ ትሰጐኒ ኣለኻ፤ ኣነ ድማ ኻብ ገፅካ ኽሕባእ እየ። ኣብ ምድሪ ድንጉፅን ኰብላልን ክኸውን እየ፤ ኵሉ ዝረኸበኒ ድማ ኽቐትለኒ እዩ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ “እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ኽፍደ እዩ” በለ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቐትሎ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ። ቃየል ድማ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ወፀ፤ ኣብ ኤደን ብወገን ምብራቕ ኣብ እትርከብ ኖድ ኣብ እትብሃል ምድሪ ድማ ተቐመጠ። ቃየል ድማ ንሰበይቱ ፈለጣሞ ጠነሰት፤ ንሄኖህ ድማ ወለደት። ቃየል ከተማ ኣጣየሸ፤ ነታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖህ ኢሉ ስም ኣውፅአላ። ሄኖህ ከዓ ንጋይዳድ ወለደ። ጋይዳድ ድማ ንሜኤል ወለደ። ሜኤል ከዓ ንማቱሳላ ወለደ። ማቱሳላ ድማ ንላሜህ ወለደ። ላሜህ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፥ ስም እታ ኻልአይቲ ድማ ሴላ ነበረ። ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳናት ዝነብሩን ከፍቲ ዘርብሑን ነበረ። ዩባል ዝበሃል ሓው ድማ ነበሮ፤ ንሱ ኸዓ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን እዩ። ሴላ ድማ ነሃስን ሓፂንን ቀጥቂጡ ኣቑሑ ንዝሰርሕ ቱባልቃይን ወለደት። ሓፍቲ ቱባልቃይን ድማ ናዕማ ትበሃል ነበረት። ስለ ስምብራተይ ድማ፥ ጐበዝ ቐተልኩ። ላሜህ ከዓ ሰብዓን ሸውዓተን ዕፅፊ ኽፍደ እዩ” ድማ በለን። ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ። ሴት ድማ ወዲ ተወለደሉ፤ ሄኖስ ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ሽዑ ሰባት ብስም እግዚኣብሄር ክፅውዑ ጀመሩ። እግዚኣብሄር በታ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ ንሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሄር ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩውን ፈጠሮም፤ ባረኾምውን። በታ ዝተፈጠሩላ መዓልቲ ኸዓ ስሞም “ኣዳም” ኢሉ ሰመዮም። ኣዳም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ፤ ብምስሉ ኸም መልክዑ ወዲ ወለደ። ሴት ኢሉውን ሰመዮ። ኣዳም ንሴት ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። ኣዳም ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ ንሄኖስ ወለደ። ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ሸውዓተን ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለደ። ሴት ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንቃይናን ወለደ። ሄኖስ ንቃይናን ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። ሄኖስ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። ቃይናን ከዓ ሰብዓ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንመላልኤል ወለደ። ቃይናን ንመላልኤል ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለደ። ቃይናን ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። መላልኤል ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንያሬድ ወለደ። መላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። መላልኤል ዕድሚኡ ሸሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። ያሬድ ከዓ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንሄኖክ ወለደ። ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። ያሬድ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንማቱሳላ ወለደ። ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። ኵሉ ዕድመ ሄኖክ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ሄኖክ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣይተረኽበን፤ እግዚኣብሄር ወሲድዎ እዩሞ። ማቱሳላ ድማ ሚእትን ሰማንያን ሸውዓተን ዓመት ምስ ገበረ ንላሜህ ወለደ። ማቱሳላ ንላሜህ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸውዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ። ማቱሳላ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። ላሜህ ከዓ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ምስ ገበረ ወዲ ወለደ። “ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ፥ ካብ ኵሉ ስራሕናን ከቢድ ፃዕርናን ከዕርፈና እዩ” እንትብል ኖህ ኢሉ ሰመዮ። ላሜህ ንኖህ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። ላሜህ ዕድሚኡ ሸውዓተ ሚእትን ሰብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። ኖህ ከዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ። እንሆ ሰብ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽባዛሕ ምስ ጀመረ፥ ኣጓላት ከዓ ተወለዳሎም። እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ድማ ነተን ኣጓላት ደቂ ሰብ፥ መልክዐኛታት ምዃነን ምስ ረአዩ፥ ካብኣተን ዘዝመረፅወን ኣንስቲ ወሰዱ። ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምፍጣሩ ተናስሐ፤ ብልቡውን ሓዘነ። እግዚኣብሄር “ነቲ ዝፈጠርክዎ ሰብ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፥ ክሳዕ ለመም ዝብል፥ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ስለ ዝፈጠርኩዎም ተናሲሐ እየሞ” በለ። ኖህ ሴም፥ ካም፥ ያፌት ዝበሃሉ ሰለስተ ኣወዳት ወለደ። ምድሪ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጢኣት ተበላሽያ ነበረት። ምድሪ ኸዓ ብዓመፅ መሊኣ ነበረት። እግዚኣብሄር ድማ ንምድሪ ረአያ፤ ንሳ ኸዓ ተበላሽያ ነበረት፤ ስጋ ዝለበሰውን ኣካይዳኡ ኣበላሽዩ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ንኖህ “ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ፍፃሜ ኣብ ቅድመይ በፂሑ ኣሎ፤ ብሰንኮም ምድሪ ዓመፃ መሊኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣነ ንኣኣቶም ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ንስኻ ግና ብዕንፀይቲ ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፤ ውሽጣን ደገኣን ከዓ ብቕጥራን ለምፃ። ንውሓታ ሰለስተ ሚእቲ እመት፥ ስፍሓታ ሓምሳ እመት፥ ቁመታ ድማ ሰላሳ እመት ጌርካ ስርሓያ። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ። ታሕተዋይን፥ ካልኣይን ሳልሳይን ደብሪ ግበረላ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡር ምእንቲ ኽጠፍእስ፥ እንሆ ኣነ ማይ ጥፍኣት ናብ ምድሪ ኸምፅእ እየ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኸዓ ኽመውት እዩ። ምሳኻ ግና ኺዳነይ ከቕውም እየ፤ ንስኻ፥ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፥ ሒዝካ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ካብ ኵሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ከክልተ ናብ መርከብ ኣእቱ፤ ተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነቶም፥ ካብ እንስሳ በብዓይነቶም፥ ኣብ ምድሪ ካብ ዝንቀሳቐሱ በብዓይነቶም ጌርካ፥ ካብ ዝኾነ ዓሌት ከክልተ ምሳኻ ናብ መርከብ ይእተዉ። ካብ ዝብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ፥ ንኣኻን ንኣኣቶምን ቀለብ ክኸውን ኣእቲኻ ኣብታ መርከብ ኣክቦ” በሎ። ኖህ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። እግዚኣብሄር ንኖህ “ኣብዛ ትውልዲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድመይ ፃድቕ ኴንካ ረኺበካ እየ እሞ፥ ምስ ኵሉ ቤተ ሰብካ ናብ መርከብ እቶ። ካብ ኵሉ ንፁህ እንስሳ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ካብ ኵሉ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ኸክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ንዘርኢ ክኾኑን ብህይወት ክነብሩን፥ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ። ኣነ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝናም ከዝንም እየሞ፥ ነቲ ዝፈጠርክዎ ዅሉ ህይወት ዘለዎ ድማ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ” በሎ። ኖህ ድማ፥ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። እቲ ማይ ጥፍኣት ኣብ ምድሪ ኽመፅእ እንተሎ፥ ኖህ ዕድሚኡ ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ነበረ። ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከዓ ምስኡ ኻብ ማይ ጥፍኣት ክድሕኑ ናብ መርከብ ኣተዉ። ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ዘይንፁህ እንስሳን ካብ ኣዕዋፍን፥ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝንቀሳቐስ ኵሉን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኖህ ዝኣዘዞ፥ ከክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ናብ ኖህ ናብታ መርከብ ኣተዉ። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ፥ ማይ ጥፍኣት ናብ ምድሪ መፀ። ኣብ ምድሪ ኸዓ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዘነመ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኖህን፥ ደቁ ሴምን ካምን ያፌትን፥ ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ናብ መርከብ ኣተዉ። ኵሎም ኣራዊት በብወገኖምን፥ ኵሎም እንስሳ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐሱ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣዕዋፍ በብወገኖምን፥ ክንፊ ዘለዎ ዅሉን ናብ መርከብ ምስኣቶም ኣተዉ። ህይወት ካብ ዘለዎ ዅሉ ፍጡር፥ ከክልተ ናብ ኖህ ናብታ መርከብ ኣተዉ። እቶም ዝኣተዉ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኖህ ዝኣዘዞ፥ ስጋ ኻብ ዘለዎ ዅሉ፥ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣተዉ። ኖህ ናብታ መርከብ ምስ ኣተወ፥ እግዚኣብሄር ነታ መርከብ ብድሕሪኡ ዓፀዋ። ማይ ጥፍኣት ድማ ነርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከዓ በዝሐ፤ ነታ መርከብ ድማ ኣልዓላ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ንላዕሊ ፀለል በለት። እቲ ማይ በርትዐ፤ ኣብ ምድሪ እውን የመና በዝሐ፤ እታ መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ፀለል ትብል ነበረት። እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እናበርትዐ ኸደ፤ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝነበሩ ዅሎም ነዋሕቲ እምባታት ከዓ ብማይ ተሸፈኑ። እቲ ማይ ካብ ጫፍ እምባታት ሸውዓተ ሜትርን ፈረቓን ንላዕሊ ደየበ፤ እቶም እምባታትውን ተሸፈኑ። ሽዑ ዅሉ ስጋ ዘለዎ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሉ ሰብን ሞተ። ኵሉ ኣብ ኣፍንጫኡ እስትንፋስ ህይወት ዝነበሮ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ ሞተ። ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ፥ ህይወት ዘለዎ ተደምሰሰ፤ ሰብን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራሕ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ። እቲ ማይ ድማ ኽሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ እንተይጐደለ ፀንሐ። እግዚኣብሄር ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሎም እንስሳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፤ እቲ ማይ ከዓ ጐደለ። እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያትን፥ መሳዅቲ ሰማይን ተዓፅወ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝዘንም ዝነበረ ዝናምውን ፀሓየ። እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናጐደለ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸዓ ጐደለ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እታ መርከብ ኣብ እምባ ኣራራት ዓረፈት። እቲ ማይ ከዓ ኽሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ ኸዓ ጫፋት እቶም እምባታት ተርኣዩ። ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ፥ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈተ፤ ንኳዅ ድማ ሰደዶ። ንሱ ኸዓ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዝነፅፍ ንየን ነዘን ይብል ነበረ። ድሕሪዙይ ድማ ማይ ካብ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ኾይኑ ኽትርኢ ኢሉ ንርግቢ ሰደዳ። ኣብ ኵላ ምድሪ፥ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፥ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈሉ ኣይረኸበትን። ስለዙይውን ናብኡ ናብ መርከብ ተመለሰት። ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ተቐበላ፤ ናብኡ ናብ መርከብ ከዓ ኣእተዋ። ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ድማ፥ ኖህ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ። ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ እታ ርግቢ ናብ ኖህ ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ልሙዕ ቘፅሊ ኣውሊዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነፀፈ ፈለጠ። ከምኡውን ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ብድሕሪኡ ግና ናብ ኖህ ኣይተመለሰትን። ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ዕድመ ኖህ፥ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነፀፈ። ሽዑ ኖህ ክዳን መርከብ ቀሊዑ ረአየ፤ እንሆ ኸዓ እታ ምድሪ ነፂፋ ነበረት። ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እታ ምድሪ ፈፂማ ነቐፀት። እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ፦ “ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን ኣንስቲ ደቅኻን ካብታ መርከብ ውፁ። ኵሉ ምሳኻ ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ኵሉ ለመምታን፥ ኣብ ምድሪ ኽባዝሑ ምሳኻ ኣውፅኣዮም፤ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን” በሎ። ሽዑ ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ወፁ። ኵሉ ኣራዊትን፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሎም ኣዕዋፍን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን ድማ በብዓሌታቶም ካብታ መርከብ ወፁ። ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ። ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ። ኵሎም ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኻትኩም ይፍርሑን ይደንግፁን፤ ኵሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኵሎም ዓሳታት ባሕርን ክግዝኡኹም ሂበኩም ኣለኹ። ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ። ግና ህይወት ኣብ ደም እዩ እሞ፥ ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ። ነቲ ህይወት ዘለዎ ደምኩም ዘፍሰሰ ኣነ ሕነ ኽፈድዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊትውን ሕነ ኽፈድዮ እየ። ንነፍሲ ሰብ ድማ ኻብ ኢድ ሰብ፥ ካብ ኢድ ሓዉ ሕነ ኽፈድዮ እየ። እግዚኣብሄር ንሰብ ብምስሉ እዩ ፈጢርዎሞ። እግዚኣብሄር ከዓ ንኖህን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ ኣነ ምሳኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹም ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ። ምስቲ ዅሉ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍ፥ እንስሳ፥ ኵሉ ኣራዊት በረኻ፥ ምስቲ ምሳኻትኩም ካብ መርከብ ዝወፀ ዅሉን፥ ምስ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጡርን ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ። ድሕሪ ደጊም ዅሉ ህይወት ዘለዎ ብማይ ጥፍኣት ኣይጠፍእን እዩ። ንምድሪ ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ መሊሱ ኣይመፅእን እዩ። እንሆ ኺዳነይ ምሳኻትኩም አቕውም ኣለኹ።” እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡርን፥ ንዘለኣለም ዝኣትዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ፤ ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ። እንሆ ደመና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸደምን እንተለኹ፥ ኣብቲ ደመና ቐስቲ ኽረአ እዩ። ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ እቲ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ኺዳነይ ክዝክር እየ። እቲ ንዅሉ ፍጡር ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ፥ ድሕሪ ደጊም ኣይኸውንን እዩ። እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደመና ኽረአ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምእንቲ ኽዝክር ክሪኦ እየ።” እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ፍጡርን ዘቖምክዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ” በሎ። እቶም ካብ መርከብ ዝወፁ ደቂ ኖህ፥ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ኣቦ ከነዓን እዩ። እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ዝተወለዱ ኸዓ ንዅላ ምድሪ መልእዋ። ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ክኸውን ጀመረ፤ ወይኒ ኸዓ ተኸለ። ካብቲ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፤ ኣብ ማእኸል ድንኳኑ ኸዓ ጥራሑ ወፀ። ኣቦ ከነዓን ካም ከዓ፥ ዕርቃን ኣቦኡ ሪኡ፥ ናብ ደገ ወፂኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም። ሴምን ያፌትን ግና፥ ክዳን ወሲዶም ኣብ ማእገሮም ገይሮም ናይ ኣቦኣቶም ዕርቃን ከይሪኡ ገፆም ኣዚሮም ዕርቃን ኣቦኣቶም ከደኑ። ኖህ ከዓ ኻብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመለሰ፤ እቲ ንእሽተይ ወዱ ዝገበሮውን ፈለጠ። “ከነዓን ርጉም ይኹን። ኣስዒቡውን “ኣምላኽ ሴም፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን። እግዚኣብሄር ንያፌት የስፍሕ፤ ኣብ ድንኳናት ሴምውን ይንበር፤ ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን” በለ። ኖህ ከዓ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ነበረ። ኖህ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። ደቂ ኖህ፥ ሴም፥ ካም፥ ያፌት እንትኾኑ፥ ንሳቶም ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ዝወለድዎም ድማ፦ ደቂ ያፌት፦ ጋሜር፥ ማጎግ፥ ማዴ፥ ያዋን፥ ይልሳ፥ ቶቤል፥ ሞሳሕ፥ ቴራስ። ደቂ ጋሜር፦ ኣስከናዝ፥ ሪፋት፥ ቴርጋማ። ደቂ ያዋን፦ ኤሊሳ፥ ተርሴስ፥ ኪቲም፥ ሮድኢ እዮም። ካብዚኣቶምውን እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ህዝብታት በብቛንቋኣቶም፥ በብዓሌታቶም፥ በብህዝቦም ተኸፋፊሎም በብሃገሮም ሰፈሩ። ደቂ ካም፦ ኵሽ፥ ምፅራይም፥ ፉጥ፥ ከነዓን እዮም። ደቂ ራዕማ፦ ሳባ፥ ድዳን እዮም። ኵሽ ድማ ንናምሩድ ወለደ፤ ንሱውን ኣብ ምድሪ ሓያል ምዃን ጀመረ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ሓያል ሃዳናይ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ናምሩድ ሓያል ሃዳናይ ይግበርካ” ዝበሃል። መጀመርታ ግዝኣቱ ድማ፥ እተን ኣብ ሃገር ሰናዖር ዝርከባ፥ ባቢሎን፥ ኦሬ፥ ኣርካድ፥ ካልኔ፥ ዝበሃላ እየን። ኣሶር ካብታ ሃገር እቲኣ ወፂኡ፥ ንነነዌ፥ ንረሖቦት ከተማ፥ ንካለህ ሰርሐን። ከምኡውን ነታ ኣብ መንጎ ነነዌን ካለህን እትርከብ ዓባይ ከተማ ሬሴን መስረታ። ምፅራይም ድማ ንሉዲም፥ ንዓናሚም፥ ንላህቢም፥ ንፍታሌም፥ ንፈትሩሲም፥ ንከስሉሂም ንቀፍቶሪም ወለደ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኻብ ከስሉሂም ተወለዱ። ከነዓን ድማ ነቲ በዅሪ ወዱ ሲዶንን ኬጢያውያንን፥ ኢያቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጌርጌሳውያንን፥ ንኤዊያውያንን ንዓሩኬዎንን ንሲኒውያንን፥ ንኣራዳዎንን ንሰማሮዎንን ንኣማቲያንን ወለደ። ብድሕሪኡ ዓሌታት ከነዓን ተበታተኑ። ወሰን ከነዓናውያን ድማ ኻብ ሲዶን በታ ንጌራራ እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፥ በታ ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሰቦይን እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ላሳ ነበረ። ደቂ ካም በብዓሌታቶም፥ በብቛንቋኣቶም፥ በብምድሮም፥ በብህዝቦምን እዚኣቶም እዮም። ሴም ከዓ ቘልዑ ወለደ። ንሱ ኣቦ ዅሎም ደቂ ኤቦር፥ ዓብዪ ሓዉ ንያፌት እዩ። ደቂ ሴም ድማ፦ ዔላም፥ ኣሶር፥ ኣርፋክስድ፥ ሉድ፥ ኣራም እዮም። ደቂ ኣራም ከዓ፥ ዑፅን ሑልን ጌተርን ሞሶሕን ኣርፋክስድ ድማ ንቃይንም ወለደ፤ ቃይንም ከዓ ንሳላ፥ ሳላ ድማ ንኤቦር ወለደ። ኤቦር ድማ ኽልተ ኣወዳት ወለደ። ብዘመኑ ምድሪ ስለ ዝተመቓቐለት፥ ነቲ ሓደ ፋሌቅ ኢሎም ሰመይዎ። ሓዉ ድማ ዮቅጣን ይበሃል ነበረ። ዮቅጣን ድማ ንኤልሞዳድ፥ ንሳሌፍ፥ ንሓስረሞት፥ ንየራሕ፥ ንሃዶራም፥ ንኣውዛል፥ ንዶቅላ፥ ንዖባል፥ ንኣቢማኤል፥ ንሳባ፥ ንኦፊር፥ ንኤውላጥ፥ ንዮባብ ወለደ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም። ምቕማጣቶም ድማ ኻብ ሜሳ በታ ንስፋር ኣቢላ እትወስድ፥ ኣብቲ ወገን ምብራቕ ዘሎ እምባ ነበረ። ደቂ ሴም በብዓሌታቶም፥ በብቛንቋኣቶም፥ በብምድሮም፥ በብህዝቦም፥ እዚኣቶም እዮም። ዓሌታት ደቂ ኖህ በብትውልዶም፥ በብህዝቦም እዚኣቶም እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተኸፋፈሉ። ኵሉ ምድሪ፥ ሓደ ቛንቋን ሓደ ዘረባን ነበሮ። ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጕዓዙ፥ ኣብ ምድሪ ሰናኦር ጐልጐል ረኸቡ፤ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ። ንስንሳቶም ድማ “ንዑ፥ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንጥበሶ” ተበሃሃሉ። እቲ ጡብ ክንዲ እምኒ፥ እቲ ቕጥራን ክንዲ ጭቃ ኾነሎም። ሽዑ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እንተይተበታተንና፥ ሰማይ ዝበፅሕ ግንቢ ዘለዋ ኸተማ ንስራሕ፥ ስምና ኸዓ ነፀውዕ” በሉ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ደቂ ኣዳም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግንብን ክርኢ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ እዚኣቶም ሓደ ቛንቋ ዝዛረቡ ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ እዙይ እዩ። ድሕሪ ደጊም ነቲ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ ኻብ ምፍፃም ዝኽልክሎም የለን። እምበኣር ንስንሳቶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድሞ ቛንቋኣቶም ንደባልቕ” በለ። እግዚኣብሄር ድማ ኻብኡ ናብ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፤ ምህናፅ እታ ኸተማ ድማ ኣቋረፁ። እግዚኣብሄር ቋንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፥ እታ ኸተማ “ባቢሎን” ተብሃለት። ካብኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ናብ ኵላ ምድሪ በተኖም። ትውልዲ ሴም ከምዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ማይ ጥፍኣት፥ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣርፋክስድ ወለደ። ሴም ንኣርፋክስድ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ኣርፋክስድ ድማ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮነ፤ ንቃይንም ወለደ። ኣርፋክስድ ንቃይንም ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ቃይንም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ ንሳላ ወለደ። ቃይንም ንሳላ ምስ ወለደ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ሳላ ኸዓ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንዔቦር ወለደ። ሳላ ንዔቦር ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ዔቦር ወዲ ሚእትን ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንፋሌቅ ወለደ። ዔቦር ንፋሌቅ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ፋሌቅ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንራግው ወለደ። ፋሌቅ ንራግው ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ራግው ወዲ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንሴሮሕ ወለደ። ራግው ንሴሮሕ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእትን ሸውዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ሴሮሕ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንናኮር ወለደ። ሴሮሕ ንናኮር ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ናኮር ወዲ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንታራ ወለደ። ናኮር ንታራ ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ሚእትን ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ታራ ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ። ትውልዲ ታራ ኸምዙይ እዩ፦ ታራ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ፤ ሓራን ድማ ንሎጥ ወለደ። ሓራን ከዓ፥ ኣብታ ዝተወለደላ ምድሪ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ታራ ኣብ ኡር ሞተ። ኣብራምን ናኮርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉ። ሰበይቲ ኣብራም ስማ ሶራ ትበሃል ነበረት፤ ሰበይቲ ናኮር ድማ ሚልካ ጓል ሓራን ነበረት። ሓራን ኣቦ ሚልካና ኣቦ ዮስካን ነበረ። ሶራ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ውሉድ ኣይወለደትን። ታራ ድማ ንወዱ ኣብራምን፥ ንሎጥ ወዲ ሓራን ወዲ ወዱን፥ ንሶራ ሰበይቲ ኣብራም ወዱን ወሰዶም። ካብ ኡር ምድሪ ከለዳውያን ድማ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸዱ ብሓደ ወፁ። ኣብ ካራን ምስ በፅሑ፥ ኣብኣ ተቐመጡ። ታራ ኽልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮኖ ኣብ ካራን ሞተ። ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም።” ኣብራም ከዓ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸደ፤ ሎጥውን ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ክወፅእ እንተሎ፥ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብራም ድማ ንሶራ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን፥ ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ሰባትን ሒዙ፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸይድ ወፀ፤ ኣብ ምድሪ ከነዓን ከዓ በፅሐ። ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ሓሊፉ ናብታ ሴኬም እትበሃል ቦታ፥ ናብታ ዓባይ ኦም ሞሬ በፅሐ። በቲ ዘመን እቱይ ድማ ከነዓናውያን ኣብታ ምድሪ ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተርኣዮ እሞ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። ኣብራምውን ነቲ ዝተርኣዮ እግዚኣብሄር፥ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐሉ። ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴል ዘሎ እምባ ተጕዓዘ፤ ኣብኡ ድማ ድንኳኑ ተኸለ እሞ፥ ቤቴል ብወገን ምዕራቡ፥ ጋይ ከዓ ብወገን ምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርበሉ መሰውኢ ሰርሐ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ፀውዐ። ኣብራም ድማ ተልዒሉ ኸደ። ናብ ነጌብ ናብ ግብፂ ኽኣቱ ምስ ቀረበ፥ ንሰበይቱ ሶራ “እንሆ፥ መልክዐኛ ሰበይቲ ኸም ዝኾንኪ ኣነ እፈልጥ እየሞ፥ ግብፃውያን ምስ ረአዩኺ ድማ ‘ሰበይቱ እያ’ ኽብሉ እዮም፤ ንኣይ ቀቲሎም ከዓ ንኣኺ ብህይወት ክሓድጉኺ እዮም። እምበኣር ንኣኺ ኽብሉ ብፅቡቕ ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ኣነ ድማ ብኣኺ ምእንቲ ኽድሕንስ፥ ‘ሓፍቱ እየ’ ደኣ በሊ” በላ። ኣብራም ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን እታ ሰበይቲ የመና መልክዐኛ ምዃና ረአዩ። ሹመኛታት ፈርዖን ምስ ረአይዋ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣድነቑዋ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖንውን ወሰድዋ። ፈርዖን ድማ ምእንቲ ሶራ ኢሉ ንኣብራም ፅቡቕ ገበረሉ። ኣብራም ከዓ ኣገልገልቲ ኣወዳትን ኣንስትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣብዑርን፥ ኣእዱግን፥ ኣግማልን ነበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሶራ ሰበይቲ ኣብራም፥ ንፈርዖንን ንቤቱን ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ቐፅዖም። ፈርዖን ድማ ንኣብራም ናብኡ ፀዊዑ፥ “እዝ ኣባይ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኻኸ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ? ስለ ምንታይከ ሓፍተይ እያ በልካ? ሰበይተይ ክትከውን ወሲደያ ነይረ። ሕዚ ግና እኒሃትልካ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ” በሎ። ፈርዖን ድማ ንሓሻኽሩ ንኣብራም ከፋንውዎ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉ ጥሪቱን ኣፋነውዎም። ኣብራም ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ግብፂ ወፂኡ ናብ ነጌብ ከደ። ሎጥውን ምስኡ ኸደ። ኣብራም ከዓ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን የመና ሃብታም ነበረ። ካብ ነጌብ ተልዒሉ ኽሳዕ ቤቴል፥ ናብታ ቕድም ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ በፅሐ። ንሳ ኸዓ እታ ቕድም መሰውኢ ሰሪሑላ ዝነበረ ቦታ እያ። ኣብኣ ኣብራም ስም እግዚኣብሄር ፀውዐ። እቲ ምስ ኣብራም ዝኸደ ሎጥ ድማ መጓሰ ኸፍትን ኣባጊዕን ድንኳናትን ነበሮ። ጥሪቶም ብዙሕ ስለ ዝነበረ ድማ ምድሪ ፀበቦም፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ብሓደ ኽነብሩ ኣይከኣሉን። ኣብ መንጎ ጓሶት ከፍቲ ኣብራምን፥ ጓሶት ከፍቲ ሎጥን ባእሲ ኾነ። በቲ ዘመን እቱይ ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ። ኣብራም ከዓ ንሎጥ “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፥ በይዛኻ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ባእሲ ኣይኹን። ኵላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኻዶ ኣይኮነትን ዘላ? ደጊም ካባይ ተፈለ። ንስኻ ናብ ፀጋም እንተ ኸድካ፥ ኣነ ናብ የማን እኸይድ፤ ንስኻ ናብ የማን እንተ ኸድካ ድማ ኣነ ናብ ፀጋም እኸይድ” በሎ። ሎጥ ከዓ ናብ ዙርያኡ ቘላሕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ናብ ዞዓር ዝወስድ ጐልጐል ዮርዳኖስ ከም ገነት እግዚኣብሄርን፥ ከም ምድሪ ግብፅን፥ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረአየ። (እዙይ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ገሞራን ከየጥፍአን እንተሎ እዩ።) ሽዑ ሎጥ ንዅሉ ጐልጐል ዮርዳኖስ ስለ ዝመረፀ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጕዓዘ። ኣብራምን ሎጥን ከዓ ተፈላለዩ። ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጐልጐል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ፤ ድንኳኑ ኸዓ ኣብ ጥቓ ሰዶም ተኸለ። ሰብ ሰዶም ግና ሕሱማት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ኽፉኣትን ሓጢኣተኛታትን ነበሩ። ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዓይንኻ ቘላሕ ኣብል እሞ፥ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት። እዛ ንስኻ እትሪኣ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ። ንዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ምድሪ ኸብዝሖ እየ። ሑፃ ምድሪ ኽቘፅር ዝኽእል ሰብ እንተልዩ፥ ዘርእኻውን ክቝፀር እዩ። ተስእ፤ እዛ ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ እሞ ንውሓታን ግፍሓታን ኪዳ” በሎ። ኣብራም ድማ ድንኳኑ ኣልዒሉ፥ ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ መፂኡ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። በቲ ዘመንቱይ ኣምራፌል ንጉስ ሰናኦር፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳር፥ ኮሎዶጎምር ንጉስ ዔላም፥ ቲድዓል ድማ ንጉስ ጐይም፥ ምስ ባላ ንጉስ ሰዶም፥ ምስ ብርሳ ንጉስ ገሞራ፥ ምስ ሰነዓር ንጉስ ኣዳማ፥ ምስ ሰሜበር ንጉስ ሰቦይም፥ ምስ ንጉስ ቤላ (ንሳ ኸዓ ዞዓር) ውግእ ገጠሙ። እዚኣቶም ኵላቶም ናብቲ ጐልጐል ሲዲም ተብሂሉ ዝፅዋዕ ባሕሪ ጨው ንኮሎዶጎምር ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ተገዚኦምዎ ነበሩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ድማ ዓመፁ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኮሎዶጎምርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ሓቢሮም መፂኦም፥ ንራፋውያን ኣብ ኣስጣሮት ቃርናይም፥ ንዙዛውያን ኣብ ሃም፥ ንኤሚማውያን ኣብ ጐልጐል ቃርያታይም፥ ንሆራውያን ኣብ ኰረብታ ሴይር፥ ክሳዕ እታ ኣብ ጫፍ ምድረ በዳ ዘላ ኤል ፋራን፥ ሰዓርዎም። ተመሊሶም ድማ ናብታ ዓይንሚስፓጥ እትበሃል ቃዴስ መፁ፤ ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን፥ ነቶም ኣብ ሓሴቦን ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያንን ከዓ ሰዓርዎም። ሽዑ ንጉስ ሰዶምን ንጉስ ገሞራን ንጉስ ኣዳማን ንጉስ ሰቦይምን ንጉስ ናይታ ዞዓር እትበሃል ቤላን ወፂኦም፥ ምስ ኮሎዶጎሞር ንጉስ ዔላምን፥ ቲድዓል ንጉስ ጐይምን፥ ኣምራፌል ንጉስ ሰናዖርን፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳርን፥ ኣርባዕተ ነገስታት ምስቶም ሓሙሽተ ነገስታት ክዋግኡ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ተሰለፉ። እቲ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ዝርከብ ጐዳጕዲ ድማ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሰዶምን ገሞራን ክሃድሙ እንተለዉ ኸዓ ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ነገስታት ድማ ናብቲ ጎቦታት ሃደሙ። እቶም ኣርባዕተ ነገስታት ከዓ ናይ ሰዶምን ገሞራን ኵሉ ገንዘብን ኵሉ ዝብላዕን ዘሚቶም ከዱ። ሎጥ፥ ወዲ ሓዉ ንኣብራም ድማ፥ ኣብ ሰዶም ይነብር ስለ ዝነበረ፥ ምስ ጥሪቱ ማሪኾም ወሰድዎ። ካብኡ ዘምለጠ ሓደ ሰብ፥ ናብቲ ዕብራዊ ኣብራም፥ መፂኡ ነቲ ዝኾነ ነገሮ። ኣብራም ድማ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ፥ እቲ ኣሞራዊ፥ ሓው ኤሽኮልን ሓው ኣውናንን ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ። ኣብራም ድማ ሓዉ ኸም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ፥ ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ኣብ ገዛኡ ዝተወለዱ፥ ፍቱናት ሰባት ኣዕጢቑ፥ ክሳዕ ዳን ደድሕሪኣቶም ሰዓበ። ንሱን ኣገልገልቱን ተመቓቒሎም ከዓ ብለይቲ ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሆባ፥ ሰሜን ደማስቆ፥ ድማ ኣሳጐጕዎም። ነቲ ዅሉ ጥሪት ከዓ ኣምለሶ። ንሎጥ ሓዉን ጥሪቱን ከምኡ ኸዓ፥ ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን ኣምለሰ። ኣብራም ንኮሎዶጎሞርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ፥ ንጉስ ሰዶም ክቕበሎ ናብቲ ሩባ ንጉስ ዝበሃል ሩባ ሴዊ ወፀ። እቲ ኻህን ልዑል እግዚኣብሄር ዝኾነ መልከፄዴቅ ንጉስ ሳሌም ድማ እንጀራን ወይንን ኣምፅአ። “ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ይባርኽካ። ኣብራም ድማ ኻብ ኵሉ ኣስራት ሃቦ። ንጉስ ሰዶም ከዓ ንኣብራም፥ “ነቶም ሰባት ሃበኒ፤ ነቲ ጥሪት ግና ንኣኻ ውሰዶ” በሎ። ኣብራም ድማ ንንጉስ ሰዶም “ናብ ስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር ኢደይ ኣልዒለ ኣለኹ። ‘ንኣብራም ኣነ ኣሀብተምክዎ’ ኸይትብልስ፥ ፈትሊ ኾነ ስራኽ ኣሳእን ካብ ናትካ ሓንቲ እኳ ኣይወስድን እየ። እንትርፊ እቶም ኣጓብዝ ዝበልዕዎ፥ ንባዕለይ ሓንቲ እኳ ኣይወስድን እየ። እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰባት፥ ኣውናንን ኤስኮልን መምሬን ግና ግደኦም ይውሰዱ” በሎ። “ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።” ኣብራም ከዓ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እቲ እትህበኒ እንታይ እዩ? እንሆ፥ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ኣለኹ፤ ቤተይን ንብረተይን ዝወርስ ድማ በዓል ደማስቆ ኤልኤዘር ኣብራም ኣስዒቡ “ውሉድ ኣይሃብካንን፤ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ ዝተወለደ ኽወርሰኒ እዩ” በለ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ካባኻ ዝተወልደ እዩ ዝወርሰካ እምበር፥ እዙይስ ኣይወርሰካን እዩ” በሎ። ንደገ ኣውፂኡ ድማ “ንሰማይ ጠምት፤ ምቝፃሮም ትኽእል እንተ ዄንካ፥ ንኸዋኽብቲ ቝፀር” በሎ። ኣስዒቡውን “ዘርእኻ ኸምኡ ኽበዝሕ እዩ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ “ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ዓዲ ከለዳውያን ዘውፃእኹኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” በሎ። ኣብራም ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝወርሳ ብምንታይ ክፈልጥ እየ?” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ዓርሕን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ማጕላ በጊዕን ኣምፅአለይ፤ ባሪቶን ርግብንውን ኣምፅአለይ” በሎ። ኣብራም ከዓ እዝ ዅሉ ኣምፂኡ ኣብ ከክልተ መቐሎ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ከዓ፥ ኣብ መንፅር እቲ ሓደ ምቃል ኣቐመጦ። ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይመቐለንን። ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፤ ኣብራም ግና የባርሮም ነበረ። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀን ግብ ዝበለ ፀልማትን ወደቖ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዘርእኻ ኣብ ዘይዓዶም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝነብሩን፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ባሮት ገይሮም ከም ዘጨንቑዎምን ብርግፅ ፍለጥ። ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ግና ኣነ ኽፈርዶም እየ፤ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ክወፁ እዮም። ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፤ ብፅቡቕ እርጋን ድማ ኽትቅበር ኢኻ። ፅዋዕ ዓመፅ ኣሞራውያን ገና ኣይመልአን እዩ እሞ፥ ንዘርእኻ ኣብ ራብዓይ ትውልዲ ናብዙይ ክመልሶም እየ” በሎ። ፀሓይ ምስ ዓረበት፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ምስ ኮነ ኸዓ፥ እንሆ ዝተክኽ እቶንን ሃልሃል ዝብል ሓዊን ብመንጎ እቲ ዝተመቐለ ሓለፈ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥ ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቀድሞናውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ራፋይምንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ጌርጌሳውያንን ኢያቡሳውያንን ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” ኢሉ ኺዳን ኣተወ። ሰበይቲ ኣብራም ሶራ ግና፥ ንኣብራም ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር እትበሃል ግብፃዊት ኣገልጋሊት ድማ ነበረታ። ሶራ ኸዓ ንኣብራም “እንሆ፥ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ከሊኡኒ እዩ፤ ምናልባሽ ብኣኣ ውሉድ እንተ ረኸብኩ፥ በይዛኻ ናብታ ግዝእተይ እቶ” በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሶራ ሰምዐ። ስለዙይ ሶራ ሰበይቲ ኣብራም ነታ ኣጋር እትበሃል ግብፃዊት ግዝእታ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንኣብራም ሃበቶ። እዙይ ዝኾነ ድማ ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ እዩ። ኣብራም ከዓ ናብ ኣጋር ኣተወ፤ ንሳ ድማ ጠነሰት፤ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ግና ንእምበይተኣ ብዓይና ኣቃለለታ። ሶራ ድማ ንኣብራም “እዝ ዝግፍዖ ዘለኹ ኣብ ልዕሌኻ ይውረድ። ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሃብኩኻ፤ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ግና ብዓይና ኣቃሊላትኒ፤ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” በለቶ። ኣብራም ድማ ንሶራ፥ “እኒሃ፥ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፤ ከም ዝደለኺ ግበርያ” በላ። ሽዑ ሶራ ንኣጋር ኣሳቐየታ፤ ንሳ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣ ሃደመት። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ በረኻ ኣብ ጥቓ መንገዲ ሱር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ረኸባ። ንሱ ድማ “ኣቲ ኣጋር፥ ኣገልጋሊት ሶራ፥ ካበይ መፂእኺ? ናበይከ ትኸዲ ኣለኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ኻብ ቅድሚ እምበይተይ ሶራ እሃድም ኣለኹ” በለት። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ እምበይተኺ ተመለሲ፤ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ተገዝእያ” በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ “ንዘርእኺ ኻብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ኽቝፀር ክሳዕ ዘይከኣል፥ ከብዝሖ እዩ” እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ “እንሆ፥ ጥንስቲ ኢኺ፤ ወዲ ኸዓ ኽትወልዲ ኢኺ፤ እግዚኣብሄር መከራኺ ሪኡ እዩ እሞ፥ ስሙ እስማኤል በሊዮ። ንሱ ኣድጊ በረኻ ዝመስል ሰብ ክኸውን እዩ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ፥ ኢድ ኵሉውን ኣብ ልዕሊኡ ክኸውን እዩ። ንሱ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኽነብር እዩ” በላ። ኣጋር ድማ “ነቲ ዝሪአንስ ኣብዙይዶ ሪአዮ?” እንትትብል ነቲ ዝተዛረባ እግዚኣብሄር “ዝርኢ ኣምላኽ” ስለዙይ እቲ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን ዘሎ ዒላ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ ዒላ” በቲ ኣጋር ንእስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ፥ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሽዱሽተን ዓመት ነበረ። ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ ቃል ኪዳነይውን ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ከቕውም እየ፤ የመናውን ከብዝሐካ እየ” ድማ በሎ። ኣብራም ከዓ ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። እግዚኣብሄር ድማ፦ “እንሆ፥ ኣነ ቓል ኪዳነይ ምሳኻ ኣቕውም ኣለኹ፤ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ። ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ እሞ፥ ደጊም ስምካ ‘ኣብርሃም’ የመና ኸብዝሐካ እየ፤ ብዙሕ ህዝቢ ኸም እትኸውን ድማ ኽገብር እየ፤ ነገስታትውን ካባኻ ኽወፁ እዮም። ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ተዛረቦ “ንስኻ ኺዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፤ ንስኻን፥ ብድሕሬኻ ኸዓ ዘርእኻን ንውሉድ ወለዶ ኺዳነይ ክትሕልዉ ኢኹም። እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ዘሎ፥ እትሕልውዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይገረዝ። ስጋ ቝልፈትኩም ግረዙ። እዙይ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ። ኣባኻትኩም ሸሞንተ መዓልቲ ዝገበረ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ፥ ኣብ ቤት ዝተወልደን፥ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደገን፥ ንውሉድ ወለዶ ይገረዝ። ኣብ ገዛኻ ዝተወልደን ብገንዘብካ ዝተዓደገን ግድን ይገረዝ። እዙይ ኣብ ስጋኹም ዝፍፀም ኪዳን ናይ ዘለኣለም ኪዳነይ ክኸውን እዩ። ዘይተገረዘ ዅሉ ተባዕታይ፥ ስጋ ቝልፈቱ ዘይተገረዘ፥ እታ ነፍሲ እቲኣ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ትጥፋእ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም “ንሰበይትኻ፥ ድሕሪ ደጊም ‘ሳራ’ እምበር ‘ሶራ’ ኢልካ ኣይትፀውዓያ። ክባርኻ እየ፤ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ። እኖ ኣህዛብ ክትከውን ክባርኻ እየ፤ ካብኣ ኸዓ ነገስታት ኣህዛብ ክወፁ እዮም” በሎ። ሽዑ ኣብርሃም ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደ። “ወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይወልድ እዩ? ሳራኸ ጓል ተስዓ ዓመት ኮይናዶ ኽትወልድ ትኽእል እያ?” እናበለ ብልቡ ሰሓቐ። ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር “እስማኤል ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዝነብር ምፈተኹ ነይረ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ሰበይትኻ ሳራ ወዲ ኽትወልደልካ እያ። ስሙ ድማ ‘ይስሓቅ’ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ። ኪዳነይ ከዓ ምስኡን ብድሕሪኡውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለኣለም ከቕውም እየ። ብዛዕባ እስማኤል ድማ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ። እንሆ ባሪኸዮ ኣለኹ፤ ከፍርዮን፥ የመናውን ከብዝሖን እየ። ዓሰርተ ኽልተ ኣሕሉቕ ክወልድ እዩ። ዓብዪ ህዝቢ ድማ ኽገብሮ እየ። ግና ምስቲ ሳራ ንዓመታ፥ ከምዛ ጊዜ እዚኣ እትወልደልካ ይስሓቅ፥ ኪዳነይ ከቕውም እየ” በሎ። ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድአ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኣብርሃም ተፈልዩ ደየበ። ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ነቶም ኣብ ቤቱ ዝተወለዱን፥ ኵሎም ብገንዘቡ ዝተዓደጉን፥ ካብ ቤተሰቡ ዅሉ ተባዕታይ ዝኾነ ወሲዱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገረዞም። ኣብርሃም ክግረዝ እንተሎ ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ነበረ። ወዱ እስማኤል ድማ ኽግረዝ እንተሎ፥ ወዲ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብርሃምን እስማኤል ወዱን ተገረዙ። ኵሎም ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝተወለዱ ቤተሰቡን፥ ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደጉን ምስኡ ተገረዙ። ኣብርሃም፥ ብቐትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ኣብ ኣእዋም መምሬ፥ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ። ኣዒንቱ ቘላሕ እንተበለ፥ እንሆ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረአዮም ድማ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ብድድ ኢሉ ኽቕበሎም ጐየየ፤ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉውን ሰገደ። ንሱ ድማ፦ “ኦ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንባርያኻ ኸይትሓልፈኒ እልምን ኣለኹ። ቁሩብ ማይ ከምፅአልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓፂብኩም፥ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ኣዕርፉ። ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ ሓለፍኩም ድማ፥ ቍራስ እንጀራ ኸምፅአልኩም፤ ልብኹም ደግፉሞ ብድሕሪኡ ትሓልፉ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ከምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ። ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብቲ ሳራ ዘላቶ ድንኳን ኣትዩ፥ “ቐልጢፍኪ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ኣቘምጢዕኺ ቕጫታት ሰንክቲ” በላ። ሽዑ ኣብርሃም ናብቲ መጓሰ ኸፍቲ ዘለዋኦ ብጕያ ኸይዱ፥ ስቡሕ ጣዕዋ ወሲዱ፥ ነቲ ኣገልጋሊኡ ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኸሰናድዎ ተቐላጠፈ። ርግኦን ፃልጣ ፀባን፥ እቲ ዘዳለዎ ስጋ ጣዕዋን ወሲዱ ድማ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሉ ነበረ። ንሳቶም ድማ፥ “ሰበይትኻ ሳራ ኣበይ ኣላ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኣብርሃም ከዓ “ኣብ ውሽጢ ድንኳን እኒሃ” በሎም። ሽዑ ኣብርሃምን ሳራን ዕድመኣቶም ዝደፍኡ ኣረጋውያን ነበሩ። ንሳራ ድማ እቲ ልማድ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። ሳራ ድማ ብልባ “ድሕሪ እርጋነይዶ ፍትወት ክኾነለይ ይኽእል? ጐይታይውን ፈፂሙ ኣሪጉ እዩ” ኢላ ሰሓቐት። እግዚኣብሄር ከዓ ንኣብርሃም “ስለ ምንታይ ሳራ፥ ‘ኣሪገ እንተለኹዶ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ’ ኢላ ዝሰሓቐት? ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ? ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽምለሰካ እየ፤ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ። ሽዑ ሳራ ደንገፀት፤ ስለ ዝፈርሐትውን “ኣይሰሓቕኩን” በለት። ንሱ ግና “ኣይፋልክን፥ ስሒቕኪ እባ” በላ። እቶም ሰባት ድማ ኻብኡ ምስ ተስኡ፥ ገፆም ንሰዶም ኣቢሎም ኣምርሑ። ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምስኣቶም ከደ። እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ነቲ ኣነ ኽገብሮ ዘለኒ፥ ካብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ? ኣብርሃም ብሓቂ ዓቢይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩሞ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮምሞ። ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።” እግዚኣብሄርውን በለ፦ ኣውያት ሰዶምን ገሞራን የመና በዚሑ እዩሞ፥ ሓጢኣቶም ከዓ እምብዛ ኸቢዱ እዩሞ፥ እምበኣር ከምቲ ናባይ ዝበፅሐ ኣውያት ገይሮም እንተ ኾይኖም ወሪደ ኽርኢ እየ፤ እንተ ዘይኮነውን ክፈልጥ እየ። እቶም ሰባት ድማ ገፆም መሊሶም ናብ ሰዶም ኣምርሑ። ኣብርሃም ከዓ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ። ኣብርሃምውን ቅርብ ኢሉ፦ “ብሓቂ ነቲ ፃድቕስ ምስ ሓጥእዶ ኽተጥፍኦ ኢኻ? ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ፃድቃን እንተ ተረኽቡ፥ ብርግፅዶ ኽተጥፍኦም ኢኻ? ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ፃድቃን ኢልካ እኳዶ ነታ ቦታ ኣይትምሕራን? ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ከተማ ሰዶም ሓምሳ ፃድቃን እንተ ረኺበስ፥ ንዅላ እታ ኸተማ ምእንታኣቶም ኢለ ኽምሕራ እየ” በለ። ኣብርሃም ድማ መሊሱ “እንሆ፥ ኣነ ሓመድን ሓመዅሽትን እንትኸውን ምስ ጐይታይ ብምዝራበይ ደኣ ደፊረ እምበር፥ ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ፃድቃን ሓሙሽተ እንተ ጐደሉኸ፥ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ኽተጥፍኣ ኢኻ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኺበስ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ። መሊሱ ድማ “ምናልባሽ ኣብኣ ኣርብዓ እንተ ተረኽቡኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ክዛረብ እየ እሞ፥ ጐይታ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ሰላሳ እንተ ተረኽብዋኸ?” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ “ሰላሳ እንተ ተረኽቡውን ኣየጥፍኣን እየ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “እንሆ፥ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደኣ ደፊረ እምበር፥ ምናልባሽ ዕስራ እንተ ተረኽብዋኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ኦ ጐይታ! ሓንሳእ ጥራሕ ኽዛረብ እየ እሞ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ዓሰርተ እንተ ተረኽብዋኸ?” ኢሉ ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኣየጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰሉ። እግዚኣብሄር ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ። እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምስ መሰየ ናብ ሰዶም መፁ። ሎጥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ምስ ረኣዮም ድማ ኽቕበሎም ተስአ፤ ብገፁ ፍግም ኢሉውን ናብ ምድሪ ሰገደ። ሽዑ “ኣቱም ጐይቶተይ፥ በይዛኻትኩም ናብ ገዛይ ናብ ገዛ ባርያኹም ኣግልሱ፤ ኣእጋርኩም ድማ ተሓፀቡ፤ ሕደሩውን፥ ፅባሕ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ከዓ መንገድታትኩም ትኸዱ” በሎም። ንሳቶም ግና “ኣይፋልናን፤ ኣብ ኣደባባይ ኢና እንሓድር” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸዓ ግዲ በሎም እሞ፥ ናብኡ ኣምርሑ፤ ናብ ገዛኡውን ኣተዉ። ቅጫ ሰንኪቱ ድማ ማእዲ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ገና ኸይደቀሱ እንተለዉ ድማ፥ ሰብ ከተማ ሰዶም፥ ኣጓብዝን ዓበይትን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ኵሉ ኸባቢ መፂኡ፥ ነታ ገዛ ኸበባ። ንሎጥ ፀዊዖም ከዓ “እዞም ብለይቲ ናብ ገዛኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ ኣለዉ? ምእንቲ ኽንራኸቦም፥ ናባና ኣውፅኣዮም” በልዎ። ሎጥ ድማ ናብኣቶም ናብ ኣፍ ደገ ወፀ፤ ነቲ ማዕፆ ብድሕሪኡ ዓፅዩ ድማ፥ “ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ። እንሆ፥ ብድንግልናአን ዘለዋ ኽልተ ኣጓላት ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ከውፅአልኩም፥ ደስ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና፥ ኣብ ፅላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፥ ኣብኣቶም ክፋእ ኣይትግበሩ” በሎም። ንሳቶም ግና “ክላ ዘወር በል። ስደተኛ ኾይኑ ዝመፀስ፥ ዳኛ ኾይኑ ኽፈርድ ይደሊ ኣሎ፤ ካብኣቶም ንኣኻ ኽነግድደልካ ኢና” በልዎ። ንሎጥ ብሓይሊ ጐኒፆም ድማ ማዕፆ ኽሰብሩ ቐረቡ። እቶም ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ኣጋይሽ ግና ኣእዳዎም ዘርጊሖም፥ ንሎጥ ናብኣቶም ናብ ቤት ኣእተውዎ፤ ነቲ ማዕፆውን ዓፀውዎ። ሽዑ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሰባት፥ ካብ ኣናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ኣዒንቶም ኣዕወርዎም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ኣፍ ደገ ኽረኽብዎ ደኸሙ። እቶም ክልተ ሰባት ድማ ንሎጥ “ኣብዙይ ብዘይ እዚኣቶም ካልእ ሰብዶ ኣለካ? ሰብኣይ ጓልካን ኣወዳትካን ኣጓላትካን፥ ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዝኾነ ዅሉን፥ ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውፅኣዮም። ብዝሒ ሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስለ ዝበፅሐ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ነዛ ቦታ እዚኣ ኽነጥፍኣ ልኢኹና እዩ” በልዎ። ሎጥ ድማ ወፂኡ ነቶም ነጓላቱ ኽምርዓዉ ዝነበሩ ሕፁያት ደቁ፥ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፥ ተስኡ፤ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውፁ” በሎም። እቶም ሕፁያት ኣጓላቱ ግና ናይ ዋዛ መሰሎም። ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ “እዛ ኸተማ ኽትጠፍእ እንተላ ኸይትልከምስ፥ ሰበይትኻን እዘን ኣብዙይ ዘለዋ ኽልተ ኣጓላትካን ሒዝካ ቐልጢፍካ ውፃእ” እናበሉ ኣዳፍእዎ። ሎጥ ድማ ተደናጐየ፤ እግዚኣብሄር ክምሕሮ ስለ ዝደለየ ግና፥ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣጓላቱን ሒዞም ኣውፅእዎ፤ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ። ናብ ወፃኢ ምስ ኣውፅእዎም፥ እቲ ሓደ “ነፍስኻ ኣድሕን፤ ንድሕሪት ገፅካ ግልፅ ኣይትበል፤ ኣብዝ ጐልጐል እዙይ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ ናብቲ እምባ ኣቢልካ ህደም” በሎ። ሎጥ ግና “ኣይፋልካን ጐይታይ! እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺበ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ድማ ዓብዪ ምሕረት ገበርካለይ። ሕዚ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽሃድም ኣይክእልን እየ፤ ጥፍኣት ከርክበኒ እዩ እሞ፥ ክመውት እየ። በይዛኻ እኒሃ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ሃዲምካ ንምምላጥ ቀረባ እያ፤ ንእሽተይ ከዓ እያ፤ እምበኣር ነፍሰይ ንምድሓን ናብኣ ኽሃድም” በሎ። ንሱ ኸዓ “ነዝ ልመናኻ ተቐቢለዮ ኣለኹ፤ ነዛ እትዛረበላ ዘለኻ ኸተማውን ኣየጥፍኣን እየ። ኣብኣ እንተይበፃሕኻ ዝኾነ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ እሞ፥ ቀልጢፍካ ናብኣ ህደም” በሎ። በዙይ ከዓ እታ ኸተማ ዞዓር ሎጥ ናብ ዞዓር ምስ ኣተወ፥ ኣብታ ምድሪ ፀሓይ በረቐት። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰዶምን ገሞራን ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዲንን ሓዊን ኣዝነመ። ነዘን ከተማታት እዚኣተንን፥ ንዅሉ ጐላጕልን፥ ኣብተን ከተማታት ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብን፥ ኣብኡ ንዝነበረ በቝሊ ምድርን ገለባበጠ። ሰበይቲ ሎጥ ግና ኽትርኢ ንድሕሪት ግልፅ በለት፤ ሓወልቲ ጨው ከዓ ኾነት። ንፅባሒቱ ድማ፥ ኣብርሃም ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንጊሁ ኸደ። ናብ ሰዶምን ገሞራን ናብ ኵሉ እቲ ጐላጕል ምድርን ኣማዕደወ፤ እንሆ ኻብታ ሃገር ትኪ እቶን ዝመስል ትኪ እንትለዓል ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ነተን ኣብ ጐላጕል ዝነበራ ኸተማታት ክግልብጠን እንተሎ፥ ንኣብርሃም ዘከሮ። ንሎጥ ድማ ኻብቲ ነተን ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ዝገልበጠን ጥፍኣት ኣድሓኖ። ሎጥ ከዓ ኣብ ዞዓር ምቕማጥ ስለ ዝፈርሐ፥ ካብ ዞዓር ወፂኡ፥ ንኽልቲአን ኣዋልዱ ሒዙ ኣብቲ ጎቦታት ተቐመጠ። ንሱን ክልቲአን ኣዋልዱን ድማ ኣብ በዓቲ ተቐመጡ። እታ በዅሪ ኸዓ ነታ ንእሽተይ፥ “ኣቦና ኣሪጉ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ኸም ልማድ ኵሉ ምድሪ፥ ዝምርዐወና ሰብኣይ የለን። ንዒ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፤ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ምስኡ ንደቅስ” በለታ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፥ እታ በዅሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትስኣን ኣይፈለጠን። ንፅባሒቱ ድማ እታ በዅሪ ነታ ንእሽተይ “እንሆ፥ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ። በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፥ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ድማ፥ ንስኺ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ” በለታ። በታ ለይቲ እቲኣውን ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፤ እታ ንእሽተይ ከዓ ኸይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትስኣን ኣይፈለጠን። ክልቲአን ደቂ ሎጥ ከዓ ኻብ ኣቦአን ጠነሳ። እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፤ ሞኣብ ኢላ ድማ ሰመየቶ። ንሱ ናይ እዞም ሞኣባውያን ኣቦ እዩ። እታ ንእሽተይውን ወዲ ወለደት፤ ወዲ ወገነይ እንትትብል፥ ኣሞን ኢላ ሰመየቶ። ንሱ ክሳዕ ሎሚ ናይዞም ኣሞናውያን ዝበሃሉ ኣቦ እዩ። ኣብርሃም ካብኡ ተልዒሉ ንምድሪ ኔጌብ ኣቢሉ ተጕዓዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሱርን ተቐመጠ። ኣብ ጌራራውን ጋሻ ኾይኑ ቑሩብ ፀንሐ። ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ “ሓፍተይ እያ” ኢሉ ተዛረበ። ንጉስ ጌራራ ኣቢሜሌክ ከዓ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ። እግዚኣብሄር ግና ንኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መፂኡ፤ “እዛ ወሲድካያ ዘለኻ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እያ እሞ፥ እንሆ ብሰንካ ኽትመውት ኢኻ” በሎ። ኣቢሜሌክ ከዓ ኣይቀረባን ነበረ እሞ፥ “ጐይታይ! ንፃድቕ ህዝቢ እውንዶ ትቐትል ኢኻ? ባዕሉዶ ኣይኮነን፥ ‘ንሳ ሓፍተይ እያ’ ዝበለኒ? ንሳኸ ባዕላዶ ኣይኮነትን ‘ንሱ ሓወይ እዩ’ ዝበለትኒ? ብንፁህ ልበይን ብፅሩይ ኢደይን እየ እዙይ ዝገበርኩ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ብሕልሚ፥ “ኣነውን ነዙይ ብንፁህ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ ፈሊጠ፥ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዙይውን ክትቀርባ ኣይፈቐድኩልካን። ሕዚ ኸዓ ነታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ምለሳ። ንሱ ነቢይ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ኽትድሕን ክፅልየልካ እዩ። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፥ ንስኻን ናትካ ዝኾነ ዅሉን ብርግፅ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ። ኣቢሜሌክ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንዅሎም መኳንንቱ ፀዊዑ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር ነገሮም። እቶም ሰባት ከዓ የመና ፈርሑ። ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም ፀዊዑ “እዝ ዝገበርካና እንታይ እዩ? ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ኣምፂእኻልና ኔርካ። እንታይ በዲለካ ነይረ እየ? ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ዝገበርካኒ” በሎ። መሊሱ ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም “እንታይ ርኢኻ ኢኻ እዝ ነገርዙይ ዝገበርካ?” በሎ። ኣብርሃም ከዓ “ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብርግፅ የለን እሞ፥ ብምኽንያት ሰበይተይ ከይቐትሉኒ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ እየ። ብዘይ እዙይውን ብሓቂ ብወገን እንዳቦይ ሓፍተይ እያ፤ ብእንዳኖይ ግና ኣይኮነትን፤ ንኣይውን ሰበይተይ ኮነት። እግዚኣብሄር ካብ እንዳ ኣቦይ ምስ ኣውፅአኒ፤ ንኣይ እትገብሪዮ ሰናይ፥ ኣብ ኵሉ ዝኣተናዮ ቦታ ‘ሓወይ እዩ’ በሊ፥ በልክዋ” ኢሉ መለሰ። ኣቢሜሌክ ከዓ ኣባጊዕ፥ ከፍቲ፥ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት፥ ወሲዱ ንኣብርሃም ሃቦ። ንሳራ ሰበይቱ ድማ መለሰሉ። ኣቢሜሌክ ድማ “ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ኣብ ዝመረፅካዮ ተቐመጥ” በሎ። ንሳራ ድማ “ንሓውኪ ሽሕ ብሩር ሂበዮ ኣለኹ። እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉ ዅሎም ንኽብርኺ ይኹንኪ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉውን ነውሪ ዘይፈፀምኪ ምዃንኪ ምልክት ይኹንኪ” በላ። እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፥ ሰበይቲ ኣብርሃም፥ ንዅለን እተን ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ዝነበራ ኣንስቲ ማህፀነን ዓፅዩ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄርውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወዮም፤ ክወልዱ ኸም ዝኽእሉ ኸዓ ኾኑ። እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ። እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝተናገሮ ገበረላ። ሳራ ጠነሰት፤ በቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዋን ከዓ፥ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ። ኣብርሃም ድማ ነቲ ዝተወለደሉ ሳራ ንዝወለደትሉ ወዱ “ይስሓቅ” ኢሉ ሰመዮ። ኣብርሃም ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ንወዱ ይስሓቅ ኣብ ሻምናይ መዓልቱ ገረዞ። ይስሓቅ ክውለድ እንተሎ፥ ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ነበረ። ሳራውን፥ “እግዚኣብሄር ሰሓቕ ገበረለይ፤ ነዙይ ዝሰምዐ ዅሉውን ምሳይ ክስሕቕ እዩ” በለት። መሊሳውን “ሳራ ቘልዓ ኸም እተጥቡ፥ ንኣብርሃም መን ምነገሮ? ኣብ እርግናኡ እቲ ቘልዓ ኸዓ ዓበየ፤ ጡብውን ሓደገ። በታ ይስሓቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ድግስ ገበረ። ሳራ ድማ፥ እታ ግብፃዊት ኣጋር ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ፥ ከላግፅ እንተሎ ረአየት። ንኣብርሃም ድማ፥ “ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ፥ ምስ ይስሓቅ ወደይ ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወዳ ስጐጓ” በለቶ። እዝ ነገር እዙይ ብዛዕባ ወዱ እስማኤል ንኣብርሃም ጭንቂ ኾኖ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም “ስለ ባርያኻን ስለ እቲ ህፃንን ኣይትጨነቕ፤ ብይስሓቅ እዩ ዘርኢ ዝስመየልካ እሞ፥ ንዅሉ እቲ ሳራ እትብለካ ስምዓዮ፤ ንወዲ እዛ ባርያውን ዘርእኻ ስለ ዝኾነ፥ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በሎ። ንፅባሒቱ ኸዓ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ እንጀራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፥ ንኣጋር ሃባ፤ ኣብ ማእገራ ድማ ኣሰከማ፤ ነቲ ቘልዓ ሂቡውን ሰደዳ። ንሳ ኸዓ ኸይዳ ኣብ በረኻ ቤርሳቤህ ከርተት ትብል ነበረት። እቲ ኣብ ሓርቢ ዝነበረ ማይ ምስ ተወድአ ድማ፥ ነቲ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ኣቐሚጣ ሓደገቶ። “ሞት እዝ ቘልዓ እዙይ ኸይርኢ” ኢላ ድማ ኸደት እሞ፥ ምውርዋር ቀስቲ ዝኣክል ርሒቓ ኣብ መንፅሩ ተቐመጠት። ዓው ኢላ ድማ ትበኪ ነበረት። ኣምላኽ ከዓ ድምፂ እቲ ቘልዓ ሰምዐ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንኣጋር “ኣጋር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እግዚኣብሄር ድምፂ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ እንተሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሒ። ተስኢ፤ ነቲ ቘልዓ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፤ ኣነ ኸዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በላ። እግዚኣብሄር ድማ ዓይና ኸፈተላ፤ ማይ ዘለዎ ዒላውን ረአየት። ከይዳ ኸዓ ነቲ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶ። እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ዓበየ፤ ኣብ ምድረ በዳውን ተቐመጠ፤ ቀስተኛ ኸዓ ኾነ። እስማኤል ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ይቕመጥ ነበረ። እኖኡ ድማ ኻብ ግብፂ ሰበይቲ ኣምፅአትሉ። ሕዚ ኸዓ ኸምቲ ኣነ ፅቡቕ ዝገበርኩልካ፥ ንኣይን ነዛ ስደተኛ ዄንካ እትነብረላ ዘለኻ ምድርን፥ ከምኡ ኽትገብር እምበር፥ ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ክፉእ ከይትገብር ብእግዚኣብሄር መሓለለይ” በሎ። ኣብርሃም ከዓ “ኣነ እምሕል ኣለኹ” በለ። ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ እታ ኣገልገልቲ ኣቢሜሌክ፥ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዒላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ። ኣቢሜሌክ ከዓ “ነዚ ነገር እዙይስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፤ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፤ ኣነውን እንትርፊ ሎሚ ኣይሰማዕኹን” በለ። ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ከፍትን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሃቦ። ክልቲኦም ከዓ ኺዳን ተኣታተዉ። ኣብርሃም ድማ ኻብ መጓሰኡ ሸውዓተ ኣንስትዮ ኣባጊዕ ንበይነን ፈለየ። ኣቢሜሌክ ከዓ ንኣብርሃም “እዘን ንበይነን ዝፈለኻየን ሸውዓተ ሽበን ኣባጊዕ እንታይ እየን?” በሎ። ኣብርሃም ድማ፥ “ነዛ ዒላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ክኾናኒ፥ እዘን ሸውዓተ ሽበን ኣባጊዕ እዚኣተን ካብ ኢደይ ንኣኻ ውሰድ” በሎ። ስለዙይ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ ዝተመሓሓሉ፥ ነታ ቦታ እቲኣ “ቤርሳቤህ” ኣብ ቤርሳቤህ ኸዓ ኺዳን ተኣታተዉ። ኣቢሜሌክ ድማ ምስ ኣኮዘት ሓለቓ መጓሰኡን፥ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን፥ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመለሰ። ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቤርሳቤህ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ንስም እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝኾነ እግዚኣብሄር ፀውዐ። ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ኾይኑ ነዊሕ ዘመን ተቐመጠ። ድሕሪዙይ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ፈተኖ፦ “ኣብርሃም” ኢሉውን ፀውዖ። ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ” በለ። ንፅባሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ ኣድጉ ፀዓነ። ክልተ ኣገልገልቱን ወዱ ይስሓቅን ከዓ ምስኡ ወሰደ። ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይቲ ፈሊፁ፥ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቦታ ኸደ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብርሃም ኣንቃዕሪሩ ጠመተሞ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረአያ። ኣብርሃም ድማ ነቶም ኣገልገልቱ “ነዝ ኣድጊ ሒዝኩም ኣብዙይ ፅንሑ፤ ኣነን እዝ ወደይን ናብቱይ ክንከይድ ኢና፤ ሰጊድና ኸዓ ናባኻትኩም ክንምለስ ኢና” በሎም። ኣብርሃም ድማ ነቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኣልዒሉ፥ ንወዱ ይስሓቅ ኣሰከሞ። ንሱውን ሓዊን ካራን ብኢዱ ሓዘ። ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ይስሓቅ ነቦኡ ኣብርሃም “ኣቦይ” ኢሉ ፀውዖ፤ ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ ወደይ” በሎ። ይስሓቅ ድማ “ሓዊን ዕንፀይትንስ እንሆ፤ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣብርሃም ከዓ “ወደይ፥ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕስ እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ፤ ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ኣብርሃም ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ንወዱ ኽስውእ ካራ ኣልዓለ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ሰማይ “ኣብርሃም! ኣብርሃም!” እናበለ ፀውዖ። ኣብርሃምውን “እኒሀኹ” በለ። ንሱ ድማ “ንወድኻ፥ ነዝ ሓደ ወድኻ እኳ ኻብ ዘየናሕሰኻሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርሕ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ እዝ መንእሰይ ከይትዝርግሕ፤ ጕድኣትውን ከይተብፅሐሉ” በሎ። ኣብርሃም ከዓ ነቲ ቦታ እቱይ “እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኻልኣይ ጊዜ ኻብ ሰማይ ንኣብርሃም ፀውዖ። “ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ንወድኻ፥ ነቲ ሓደ ወድኻ እኳ ስለ ዘይከላእኻኒ፥ ፈፂመ ኽባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን፥ ከብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ኣፍ ደገ ፀላእቶም ክወርሱ እዮም። ቃለይ ስለ ዝሰማዕኻ ድማ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ። ኣብርሃም ከዓ ናብቶም ኣገልገልቱ ተመለሰ። ሓቢሮም ድማ ናብ ቤርሳቤህ ኸዱ። ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቤርሳቤህ ተቐመጠ። ብድሕሪዙይ ንኣብርሃም “እንሆ ሚልካ ንናኮር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉ” ኢሎም ነገርዎ። ንሳቶም ከዓ ዑፅ እቲ በዅሩ፥ ቡዝ ሓዉ፥ ቀሙኤል ኣቦ ኣራም፥ ኮዛት፥ ሓዞ፥ ፊልዳስ፥ የድላፍ፥ ባቱኤል እዮም። ባቱኤል ንርብቃ ወለደ። ስለዙይ ሚልካ ንናኮር ሓው ኣብርሃም ሸሞንተ ደቂ ወለደትሉ። ሬሕማ ዝስማ ዕቅብቱ ድማ ጥባሕ፥ ገኣም፥ ተሓስ፥ ሞክሳ ዝበሃሉ ደቂ ወለደትሉ። ሳራ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ኮና፤ እዚኣተን እየን ዓመታት ሳራ። ኣብ ቂርያትኣርባቅ ሞተት፤ ንሳውን ኣብ ምድሪ ከነዓን እትርከብ ኬብሮን እያ። ኣብርሃም ከዓ ንሳራ ኽሓዝነላን ክበኽየላን ጀመረ። ኣብርሃም ካብቲ ጥቓ ሬሳ ተሲኡ፥ ንደቂ ኬጢ “ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ጋሻን ስደተኛን እየ። ኣባኻትኩም ርስቲ መቓብር ሃቡኒ፤ ሬሳይውን ካብ ቅድመይ ክቐብር” በሎም። ደቂ ኬጢ ድማ ንኣብርሃም “ጐይታና! ስምዐና፤ ንስኻ ኣብ ማእኸልና፥ ኣምላኽ ዝሸመካ መስፍን ኢኻ። ካብቲ ናይ መቓብር ቦታና ኣብ ዝመረፅካዮ ቕበር። ካባና ሓደ እኳ ንሬሳኻ ኸይትቐብር መቓብር ዝኽልክለካ የለን” ኢሎም መለሱሉ። ኣብርሃም ከዓ ተሲኡ፥ ንህዝቢ እታ ሃገር ንደቂ ኬጢ፥ ፍግም ኢሉ ኢድ ነስአሎም። “ሬሳይ ካብ ቅድመይ ክቐብር ካብ ፈቐድኩምለይስ ስምዑኒ፤ ንኤፍሮን ወዲ ፆሓር፥ ነታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ ናቱ በዓቲ ኽህበኒ እሞ፥ ንመቓብር ርስቲ ኽትኮነኒ ኣብ ቅድሜኹም ብምሉእ ዋጋ ኽህበኒ ለምኑለይ” በሎም። ኤፍሮን ድማ ኣብ ማእኸል ደቂ ኬጢ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ንሱውን ኵሎም እቶም ደቂ ኸተማኡ፥ ደቂ ኬጢ፥ እናሰምዑ ንኣብርሃም፥ “ኣይፋልካን ጐይታይ፥ ስምዐኒ ደኣ፤ እታ ግራትን፥ እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን፥ ደቂ ህዝበይ እናረአዩ እህበካ ኣለኹ፥ ሬሳኻ ቕበር” በሎ። ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር ፍግም ኢሉ ኢድ ነስአ። ንኤፍሮን ድማ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ “በይዛኻ ስምዐኒ! ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህበካ ተቐበለኒ እሞ ሬሳይ ኣብኣ ኽቐብር” በሎ። ኤፍሮን ድማ ንኣብርሃም “ጐይታይ! ስምዐኒ ደኣ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ብሩር ዝዋጋኡ ምድሪ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እዩ? ሬሳኻ እንዶ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ። ኣብርሃም ከዓ ነቲ ኤፍሮን ደቂ ኬጢ እናሰምዑ ዝተዛረቦ ዋጋ ሰሚዑ፥ በቲ ሽዑ ዝነበረ ሸርፊ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ብሩር መዘነሉ። በዝ ኸምዙይ ከዓ እታ ኣብ ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ዝነበረት ግራት ኤፍሮን፥ እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን፥ ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዅሉ ወሰና ዝነበረ ኣእዋምን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኬጢን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም በታ በሪ እታ ኸተማ ዝኣትዉ ዝነበሩን፥ ንኣብርሃም ርስቱ ኾነት። ድሕሪዙይ ድማ ኣብርሃም ንሳራ ሰበይቱ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ፥ ኣብ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ከነዓን ቀበራ። እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ፥ ካብ ደቂ ኬጢ ናብ ኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኮይና ፀንዐት። ኣብርሃም ድማ ዕድመ ዝፀገበ ኣረጋዊ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ስራሑ ባሪኽዎ ነበረ። ኣብርሃም ከዓ ነቲ ዝሸምገለ ኣገልጋሊኡ፥ ኣዛዚ ኵሉ ገንዘቡ “በይዛኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር። ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኸይተምፅአሉ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን፥ ኣምላኽ ምድርን ኣምሕለካ ኣለኹ። ናብ ሃገረይን ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኣምፅአሉ” በሎ። እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ፥ “ምናልባሽ እታ ጓል ናብዛ ሃገር ክትመፅእ እንተ ዘይፈተወትከ፥ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝሓደግካያ ሃገርዶ ኽወስዶ?” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ንወደይ ናብኣ ኸይትወስዶ ተጠንቀቕ። እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ ዝተወለድኩላ ምድርን ዘውፅአኒ ‘ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢሉ ዝተዛረበንን ዝመሓለለይን፥ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ንሱ መልኣኹ ቐቅድሜኻ ኽልእኽ እዩ፤ ካብኡ ድማ ንወደይ ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ። እታ ጓል ምሳኻ ኽትመፅእ እንተ ዘይፈተወት ግና፥ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትውሰዶ እምበር፥ ንስኻ ኻብዛ ዘምሕለካ ማሕላ እዚኣ ንፁህ ኢኻ” በሎ። እቲ ኣገልጋሊ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፤ ከምቲ ዝበሎ ገይሩ ድማ መሓለሉ። እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ ኻብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ኣግማል ወሲዱ፥ ካብ ኵሉ ዘዝፀበቐ ውህብቶ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተልዓለ። ተልዒሉውን ናብ መስጴጦምያ ናብ ከተማ ናኮር ኸደ። ኣጋ ምሸት፥ በታ ኣንስቲ ንማይ ዝወርዳላ ጊዜ ኸዓ፥ ኣብ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዒላ ማይ፥ ነተን ኣግማል ኣንበርከኸን። ቀፂሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ሎሚ ኣስምረለይ እሞ ንጐይታይ ኣብርሃም ምሕረትካ ግበር። እንሆ፥ ኣነ ኣብ ጥቓ እዝ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፤ ኣጓላት እዛ ኸተማ ኸዓ፥ ማይ ክቐድሓ ኽወፃ እየን። እንሆ ኸዓ፥ ‘ማይ ክሰቲ፥ በይዛኺ ንዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ’ ዝብላ፥ ንሳ ኸዓ ‘ስተ፥ ነግማልካውን ከስትየን እየ’ እትብለኒ ጓል፥ ንሳ ንይስሓቅ ባርያኻ ዝመረፅካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸዓ በዙይ ክፈልጥ እየ” በለ። ገና ዘረባኡ እንተይወድአ ድማ እንሆ ርብቃ ዕትሮኣ ኣብ ማእገራ ፆይራ መፀት። ንሳ ጓል ባቱኤል ወዲ ሚልካ፥ ሰበይቲ ናኮር ሓው ኣብርሃም እያ። እታ ጓል የመና ፅብቕቲ፥ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸዓ ዕትሮኣ ማይ መሊኣ ተመሊሳ ደየበት። እቲ ኣገልጋሊ ድማ እናጐየየ ኸይዱ፥ “ካብ ዕትሮኺ ቑሩብ ማይ ክተስትይኒ እልምነኪ ኣለኹ” በላ። ንሳ ኸዓ “ጐይታይ ስተ” ኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ። ምስ ኣስተየቶ ድማ “ነግማልካውን ክሳዕ ዝኣኽለን ክሰትያ ኽቐድሐለን እየ” በለቶ። ቀልጢፋ እቲ ማይ ካብ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ገልቢጣ መሊሳ ማይ ክትቀድሕ ናብ ዒላ ጐየየት፤ ንዅለን ኣግማሉ ኸዓ ማይ ቐድሐትለን። እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መንገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮይኑ ኽፈልጥ፥ ስቕ ኢሉ ኣትኲሩ ይጥምታ ነበረ። እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ረወያ፥ እቲ ሰብኣይ ሓሙሽተን ፈረቓን ግራም ዝሚዛኑ ወርቂ ቐለቤት፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂ ኣውፂኡ ድማ ኣብ ኣእዳዋ ገበረላ። ከምዙይውን በላ፦ “ጓል መን ኢኺ? በይዛኺ ንገርኒ፤ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ኣሎ?” ንሳ ኸዓ “ኣነ ጓል ባቱኤል እየ፤ ባቱኤል ከዓ ሚልካ ኻብ ናኮር ዝወለደቶ እዩ” ኢላ መለሰትሉ። ኣስዒባ ኸዓ “ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፥ ንመሕደሪ ኣግማልካ ድማ ስፍራ ኣለና” በለቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። “እቲ ሕያዋይነቱን ተኣማንነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረፀ፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ይመስገን። ንኣይ ከዓ እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መሪሑኒ” ድማ በለ። እታ ጓል ከዓ እናጐየየት ከይዳ፥ እቲ ዝኾነ ነገር ንስድራ እኖኣ ነገረት። ንርብቃ፥ ላባ ዝስሙ ሓው ነበራ። ብጕያ ወፂኡ ድማ ናብቲ ሰብኣይ፥ ናብቲ ዓይኒ ማይ ከደ። ነቲ ቐለቤትን፥ ኣብ ኢድ ሓፍቱ ዝነበረ ኣምባርን ምስ ረአየ፥ ርብቃ ሓፍቱ ድማ “እቲ ሰብኣይ ከምዙይ ኢሉ ተዛሪቡኒ” ኽትብል ምስ ሰምዐ፥ ናብቲ ሰብኣይ መፀ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ደው ኢሉ ነበረ። ላባ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ፥ ነዓ እቶ! ንምንታይ ኣብ ደገ ደው ትብል? ንኣኻ መዕረፊ፥ ነግማልካ ኸዓ ሰፈር ኣዳሊወልካ ኣለኹ” በሎ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ገዛ ኣተወ። ነተን ኣግማል ኣራገፈን፤ ሓሰርን ድርቋን ከዓ ሃበን፤ እቲ ሰብኣይን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ኣቕረበሎም። ምግቢውን ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረበሉ። ንሱ ግና “ጉዳየይ እንተይነገርኩ ኣይበልዕን” በለ። ላባ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ። ንሱ ድማ “ኣነ ኣገልጋሊ ኣብርሃም እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾ፤ ኣዕበዮውን። ኣባጊዕን ኣላሕምን፥ ወርቅን ብሩርን፥ ኣገልገልትን ኣግራድን፥ ኣግማልን ኣእዱግንውን ሂብዎ እዩ። ሳራ ሰበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፥ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፤ ጐይታይውን ንወዱ ዘለዎ ዅሉ ሂብዎ ኣሎ። ጐይታይ ድማ ‘ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ጓል ኣምፅአሉ እምበር፥ ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተምፅኣሉ’ ኢሉ ኣምሓለኒ። ሽዑ ኸዓ ኣነ ንጐይታይ ‘ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ምሳይ ክትመፅእ እንተ ዘይደለየትከ?’ በልክዎ። ንሱ ድማ ‘እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝመላለስ እግዚኣብሄር፥ መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መንገድኻ ኸቕንዐልካ እዩ እሞ፥ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ። ናብ ዓሌተይ ምስ ከድካ ድማ፥ ካብቲ ዘምሓልኩኻ ንፁህ ኢኻ፤ እንተ ዘይሃቡኻውን ካብቲ ማሕላይ ንፁህ ክትከውን ኢኻ’ ኢሉኒ። “ሎሚ ኸዓ ናብዛ ዓይኒ ማይ መፂአ፥ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ነዛ ኣነ ዝኸዳ ዘለኹ መንገዲ ኣቕንዐለይ። እንሆ፥ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፤ “ማይ ክትቀድሕ እትወፅእ፥ ኣነ ኸዓ ኻብ ዕትሮኺ ቑሩብ ማይ ኣስትይኒ” ዝብላ፥ ንሳ ድማ፥ “ስተ ነግማልካውን ክቐድሐለን እየ” እትብለኒ ጓል፥ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዘዳለዋ ሰበይቲ ትኹን’ በልኩ። ኣነ ብልበይ ዝዛረቦ ገና እንተይወዳእኹ፥ እንሆ ርብቃ፥ ዕትሮኣ ኣብ ማእገራ ተሸኪማ ወፀት፤ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቐድሐት። ኣነ ኸዓ ‘ማይ ኣስትይኒ’ በልክዋ። ቀልጢፋ ዕትሮኣ ኣውሪዳ ድማ ‘ስተ፥ ነግማልካውን ከስትየን እየ’ በለትኒ። ኣነ ሰተኹ፤ ነተን ኣግማለይውን ኣስተየተን። ኣነ ኸዓ ‘ኣቲ፥ ጓል መን ኢኺ?’ ኢለ ጠየቕክዋ። ንሳ ድማ፥ ‘ጓል ባቱኤል ወዲ ናኮር፥ ሚልካ ዝወለደትሉ እየ’ በለትኒ። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣእተኹላ፤ ኣምባር ከዓ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ። ብግንባረይ ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩ፤ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መንገዲ ንዝመርሐኒ፥ ንኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንኩ። ሕዚ ኸዓ ንጐይታይ ሓልዮትን ተኣማንነትን እተርእዩ እንተ ዄንኩም፥ ንገሩኒ። ዘይትህቡኒ እንተ ዄንኩም ድማ ናብ የማን ወይ ናብ ፀጋም ክብል ንገሩኒ” በሎም። ሽዑ ላባን ባቱኤልን “እዝ ነገርዙይ ካብ እግዚኣብሄር ዝመፀ እዩ፤ ክፉእ ኾነ ፅቡቕ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። እኒሃ፥ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፤ ሒዝካያ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፥ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን” ኢሎም መለሱሉ። እቲ ኣገልጋሊ ኣብርሃም ድማ ዘረባኦም ምስ ሰምዐ፥ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ፥ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ኣውፂኡ ንርብቃ ሃባ። ንሓዋን ንኖኣን ድማ ኽቡር ውህብቶ ሃቦም። ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከዓ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንፅባሒቱ ምስ ተስኡ ኸዓ “ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒ” በሎም። ሓዋን እኖኣን ድማ “እዛ ጓል ንዓሰርተ መዓልቲ ዝኣክል ምሳና ትቐኒ፤ ድሕሪኡ ኽትከይድ” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር መንገደይ ካብ ኣቕንዐለይ ኣይተደናጕዩኒ፤ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ነታ ጓል ፀዊዕና ኽንጥይቓ” ካብ ኣፋውን ክንሰምዕ በልዎ። ንርብቃ ፀዊዖም ድማ፥ “ምስ እዝ ሰብኣይ እዙይዶ ኽትከዲ?” በልዋ። ንሳ ድማ “እወ፥ እኸይድ” በለቶም። ሽዑ ንርብቃ ሓፍቶምን ንመጕዚታን ነቲ ኣገልጋሊ ኣብርሃምን ንሰቡን ኣሰናበትዎም። እናበሉ መረቕዋ። ርብቃ ኸዓ ምስ ኣግራዳ፥ ኣብ ኣግማል ተቐሚጠን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ ንርብቃ ሒዝዋ ኸደ። ይስሓቅ ግና ኣብ ምድሪ ነጌብ ይነብር ነበረ። በቲ መንገዲ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ ይስሓቅ ብልቡ እናስተንተነ ናብ ሜዳ ወፂኡ ነበረ። ኣማዕድዩ እንተ ረአየ ኸዓ ኣግማል እንትመፃ ረአየ። ርብቃ ድማ ንይስሓቅ ረአየቶ፤ ቀልጢፋ ኻብ ግመል ወሪዳ ኸዓ፥ ነቲ ኣገልጋሊ “እቲ ብሜዳ ናባና ዝመፅእ ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ?” ኢላ ጠየቐቶ። እቲ ኣገልጋሊ ድማ “ንሱ ጐይታይ እዩ” በላ። ሽዑ መጐልበቢኣ ኣውፂኣ ተጐልበበት። እቲ ኣገልጋሊ ድማ ዝገበሮ ዅሉ ንይስሓቅ ነገሮ። ይስሓቅ ከዓ ናብ ድንኳን እኖኡ ሳራ ኣእተዋ። ሰበይቱውን ኮነት፤ ፈተዋውን። ይስሓቅ ድማ፥ እንሆ፥ ድሕሪ ሞት እኖኡ ተፀናንዐ። ኣብርሃም ድማ መሊሱ ኬጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ። ንሳ ኸዓ ንዘምራን፥ ንዮቅሳን፥ ንሜዳን፥ ንምድያምን፥ ንየስቦቅን፥ ንሹኣሕን ወለደትሉ። ዮቅሳን ድማ ንሳባን ንድዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከዓ ኣሶርውያን ለጡሳውያን ለኡማውያን እዮም። ደቂ ምድያም ድማ ጌፌር ኤፌርን ሄኖሕን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኬጡራ እዮም። ኣብርሃም ድማ ዘለዎ ዅሉ ሃብቲ ንይስሓቅ ሃቦ። ነቶም ካብ ዕቁባታቱ ዝወለዶም ግና፥ ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ካብ ይስሓቅ ወዱ ኣርሒቑ፥ ውህብቶታት ሂቡ ናብ ምድሪ ምብራቕ ኣቢሉ ሰደዶም። ኣብርሃም ዝነበረለን ዓመታት ዕድሚኡ፥ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት እየን። ኣብርሃም ፅቡቕ መዋእል ረኺቡ፥ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ። ደቁ ይስሓቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ኤፍሮን ወዲ ሰዓር ኬጢያዊ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ዘላ፥ ማክጴላ እትበሃል በዓቲ ቐበርዎ። እዚኣ እታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኬጢ ዝዓደጋ ግራት እያ። ኣብርሃም ከዓ ምስ ሰበይቱ ሳራ ኣብኣ ተቐበረ። ድሕሪ ሞት ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ወዱ ባረኾ። ይስሓቅ ከዓ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” ኣብ ዝተብሃለ ዒላ ይቕመጥ ነበረ። ትውልዲ እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፥ ኣጋር፥ እታ መገልገሊት ሳራ ግብፃዊት ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፥ እዙይ እዩ፦ ስም ደቂ እስማኤል በብስሞምን በብትውልዶምን እዙይ እዩ፦ በዅሪ ወዱ ነባዮት፥ ቄዳር፥ ኣድብኤል፥ መብሳም፥ ማስማዕ፥ ዱማ፥ ማሳ፥ ኩዳን፥ ቴማን፥ ኢጡር፥ ናፌስ፥ ቄድማ። ደቂ እስማኤል እዚኣቶም እዮም። ስማቶምውን በብዓዶምን በብቦታኦምን ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ መሳፍንቲ እዙይ እዩ። እስማኤል ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት ምስ ኮኖ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ። ደቂ እስማኤል ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንፅር ግብፂ ዘላ ሹር፥ ኣብታ ናብ ኣሶር እትወስድ መንገዲ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንፅር ኵሎም ኣሕዋቱ ኸዓ ይቕመጥ ነበረ። ትውልዲ ይስሓቅ ወዲ ኣብርሃም ከምዙይ እዩ፦ ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ። ይስሓቅ ድማ ንርብቃ ሰበይቱ ኸእትዋ እንተሎ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ንሳ ጓል እቲ ኣብ ማእኸል ክልተ ኣፍላግ ዝነብር ሶርያዊ ባቱኤልን፥ ሓፍቲ እቲ ሶርያዊ ላባን ነበረት። ይስሓቅ ድማ፥ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ምእንታኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከዓ ልመናኡ ሰምዖ፤ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት። እቶም ህፃናት ከዓ ኣብ ማህፀና ይደፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ እንታየይ እዩ?” በለት። ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ ድማ ኸደት። እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽተይ ክግዛእ እዩ” በላ። እትወልደሉ ዕለት ምስ በፅሐ ድማ እንሆ ማንታ ወለደት። እቲ ቕድም ዝተወልደ ቐይሕ፥ ኵለንትናኡ ኸዓ ፀጓር ነበረ። ስለዙይ ስሙ ኤሳው ኢሎም ሰመይዎ። ድሕሪዙይ ድማ ሓዉ ተወለደ። ኢዱ ኸዓ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት። ስለዙይ ስሙ ያእቆብ እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ። ኤሳው ሃደን ዝፈልጥ ሰብኣይ በረኻ ኾነ። ያእቆብ ከዓ ኣብ ድንኳን ዝነብር ህዱእ ሰብ ኮነ። ኤሳው እናሃደነ ነቦኡ ይስሓቅ ስጋ የብልዖ ስለ ዝነበረ፥ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት። ያእቆብ ፀብሒ እናሰርሐ እንተሎ፥ ኤሳው ካብ በረኻ ኣተወ፤ ደኺሙ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኤሳው ንያእቆብ “ደኺመ ኣለኹሞ በይዛኻንዶ ኻብዝ ቐይሕ ፀብሒ ኣብልዐኒ?” በሎ። ስለዙይ ስሙ ኤዶም ተብሃለ። ያእቆብ ከዓ “እምብኣር ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ። ኤሳው ድማ፥ “እንሆ ኽመውት ኢለ ኣለኹ፤ እዛ ብዅርና እዚኣ እንታይዶ ኽትዓብሰለይ እያ?” በሎ። ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጀራን ፀብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተልዒሉ ኸደ። ኤሳው ብኸምዙይ ንብዅርናኡ ነዓቓ። ከምቲ ቕድም ብዘመን ኣብርሃም ጥሜት ዝነበረ፥ ኣብታ ምድሪ ኻልእ ጥሜት ኮነ። ይስሓቅ ከዓ ናብ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ጌራራ ኸደ። እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ተገልፀሉ እሞ፦ “ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ እምበር፥ ናብ ግብፂ ኣይትውረድ። እዘን ኵለን ምድርታት ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ኸፅንዖ እየ። “ኣብርሃም ንቓለይ ስለ ዝተኣዘዘ፥ ነቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፥ ንዘርእኻ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፤ እዘን ኵለን ሃገራትውን ንዘርእኻ ኽህበን እየ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ። ይስሓቅ ኣብ ጌራራ ተቐመጠ። ሰብ ጌራራ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ጠየቕዎ። መልክዓ ፅቡቕ ስለ ዝነበረ፥ ደቂ እታ ሃገር ንርብቃ ኽብሉ ኸይቐትልዎ፥ “ሰበይተይ እያ” ምባል ፈርሐ። “ንሳ ሓፍተይ እያ” ኸዓ በሎም። ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ብመስኮት ክጥምት እንተሎ፥ ይስሓቅ ምስ ሰበይቱ ርብቃ እንትፃወት ረአየ። ኣቢሜሌክ ንይስሓቅ ፀዊዑ “እምበኣር ሰበይትኻ እያ! ስለ ምንታይ ደኣ ‘ሓፍተይ እያ’ ዝበልካ?” በሎ። ይስሓቅ ከዓ “ብሰንካ ኸይመውት ኢለ እየ” በሎ። ኣቢሜሌክ ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካና? ሓደ ኻብዞም ህዝቢ ዘይፈለጠ፥ ምስ ሰበይትኻ ምደቀሰ ነይሩ፥ ንኣናውን ኣብ በደል መእተኻና ኔርካ።” ኣቢሜሌክ ከዓ ንዅሉ ህዝቢ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ወይ ንሰበይቱ ዝነኽአ፥ ብርግፅ ክቕተል እዩ” ኢሉ ኣዘዘ። ይስሓቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝባረኾ ድማ በታ ዓመት እቲኣ ሚእቲ ዕፅፊ ረኸበ። ይስሓቅ ሃብተመ፤ ሃብቱ ድማ የመና እናበዝሐ ኸደ። ኣባጊዕን ከፍትን ብዙሓት ኣገልገልትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ግና ቐንኡሉ። ሽዑ ፍልስጥኤማውያን፥ ነቶም ኣገልገልቲ ኣቦኡ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ ዅሉ ዒላታት ደፈንዎ፤ ሓመድ ከዓ መልእዎ። ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሓቅ “ካባና የመና ሓዪልካ ኢኻ እሞ፥ ካባና ኺድ” በሎ። ይስሓቅ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ኣብ ለሰ ጌራራ ሰፈረ፤ ኣብኡውን ተቐመጠ። ነቲ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም፥ ዝዀዓትዎ ዒላታት ማይ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደፈንዎም፥ ይስሓቅ መሊሱ ዀዓቶም፤ በቲ ኣቦኡ ዝፅውዖም ዝነበረ ስም ድማ ሰመዮም። ኣገልገልቲ ይስሓቅ ድማ ኣብቲ ለሰ ዒላ ዀዓቱ፤ ኣብኡ ኸዓ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ረኸቡ። ጓሶት ጌራራ ከዓ ምስ ጓሶት ይስሓቅ “እዙይ ማይና እዩ” ኢሎም ተበኣሱ። ይስሓቅ ከዓ ምስኡ ስለ ዝተበኣሱ፥ ነቲ ዒላ “ዔሴቅ” ኢሉ ሰመዮ። ካልእ ዒላ ኸዓ ዀዓቱ፤ ብዛዕባኡውን ስለ ዝተበኣሱ “ስጥና” ኢሉ ስም ኣውፅአሉ። ካብኡ ድማ ገዓዘ፤ ካልእ ዒላውን ኰዓተ፤ ብዛዕባኡ ግና ኣይተበኣሱን፤ “ሕዝስ እግዚኣብሄር ኣስፊሑና እዩ እሞ ኣብዝ ምድሪዙይውን ክንስስን ኢና” በለ። ነቲ ዒላ ድማ “ርሖቦት” ኢሉ ሰመዮ። ካብኡ ኸዓ ንቤርሳቤህ ደየበ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ እሞ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፤ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ኽባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ። ይስሓቅ ከዓ ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ ስም እግዚኣብሄር ፀውዐ። ድንኳኑውን ተኸለ፤ ኣገልገልቱ ድማ ዒላ ዀዓቱ። ይስሓቅ ከዓ “ፀሊእኹምንስ ካባኻትኩምዶ ኣይሰጐጕኩምንን? ንምንታይ ደኣ ናባይ መፃእኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ ኣረጋጊፅና ኢና እሞ፥ ከምቲ ንሕና ዘይነኻእናካ፥ ፅቡቕውን ዝገበርናልካ፥ ብሰላም ድማ ዘፋኖናካ፥ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፥ ንሕናን ንስኻን ንስንሳትና ንመሓሓል፤ ምሳኻ ኸዓ ኺዳን ንእቶ፥ ኢልና መኸርና። ሕዚ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ ኢኻ” በልዎ። ይስሓቅ ድማ ምሳሕ ገበረሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑን ሰተዩን። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ንስንሳቶም ተመሓሓሉ። ይስሓቅ ከዓ ኣፋነዎም፤ ካብኡ ድማ ብሰላም ከዱ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣገልገልቲ ይስሓቅ መፂኦም ብዛዕባቲ ዝዀዓትዎ ዒላ ነገርዎ፤ “ማይ ረኺብናሉ” ድማ በልዎ። ንሱ ድማ ነቲ ዒላ “ሳቤህ” ኢሉ ሰመዮ። ስለዙይውን እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ “ቤርሳቤህ ተብሂላ” ትፅዋዕ ኣላ። ኤሳው ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ ድማ፥ ንጓል እቲ ኬጢያዊ ይሁዲትን፥ ንጓል ኤሎን እቲ ኬጢያዊ ቤሴሞትን ኣእተወን። እዚኣተን ከዓ ንይስሓቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ኾናኦም። ይስሓቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ደኺመን ምርኣይ ምስ ሰኣና፥ ንኤሳው ነቲ ዓብዪ ወዱ ፀዊዑ “ኣታ ወደይ!” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በሎ። ሽዑ ንሱ “እንሆ፥ ሕዚ ኣሪገ እየ፤ መኣዝ ከም ዝመውትውን ኣይፈልጥን። በይዛኻ ኣፅዋር ሃደንካን መንቲግካን ቀስትኻን፥ ውሰድ እሞ ሕዚ ንበረኻ ወፊርካ፥ ሃዲንካ ስጋ ኣምፅአለይ። እንተይሞትኩ ምእንቲ ኽምርቐካስ፥ ከምቲ ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኣሰናዲኻ ኣምፅአለይ” በሎ። ርብቃ ኸዓ ይስሓቅ ንኤሳው ወዱ ኽዛረቦ እንተሎ ትሰምዕ ነበረት። ኤሳው ሃዲኑ ኸምፅእ ናብ በረኻ ምስ ወፈረ ድማ፥ ርብቃ ንወዳ ያእቆብ፦ “እንሆ፥ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው ‘ቅድሚ ሞተይ በሊዐ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ ሃዲንካ ጥዑም ብልዒ ኣሰናዲኻ ኣምፅአለይ’ ኢሉ እንትዛረቦ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ሕዚ ድማ ወደይ! ከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ግበር። ናብተን መጓሰ ኼድካ፥ ክልተ ፅቡቓት መሓስእ ኣምፅአለይ። ኣነ ኸዓ ንኣኣተን ከምቲ ኣቦኻ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኸሰናድወሉ እየ። ንሱ ድማ በሊዑ፥ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኽምርቐካስ፥ ነቦኻ ኽተቕርበሉ ኢኻ” በለቶ። ያእቆብ ከዓ ንኖኡ ርብቃ “እንሆ፥ ሓወይ ኤሳው ፀጓር ሰብ እዩ፤ ኣነ ግና ቘርበተይ ልሙፅ ሰብ እየ። ምናልባሽ ኣቦይ እንተ ዳህሰሰኒሞ፥ ከም ዘላገፅኩሉ ኾይነ ኸይርከብ፤ ኣብ ልዕለይ ከዓ ኽንዲ ምርቓ፥ መርገም ከየምፅአለይ” በላ። እኖኡ ድማ “ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር፤ ኬድካ ነተን መሓስእ ኣምፅአለይ እምበር መርገምካስ ኣባይ ይብፃሕ” በለቶ። ከይዱ ድማ ኣምፅአ፤ ንኖኡውን ሃባ፤ እኖኡ ኸዓ ኸምቲ ኣቦኡ ዝፈትዎ ገይራ ጥዑም ብልዒ ኣሰናደወት። ርብቃ እቲ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበረ ፅቡቕ ክዳውንቲ ዓብዪ ወዳ ኤሳው ወሲዳ፥ ነቲ ንእሽተይ ወዳ ንያእቆብ ከደነቶ። ኣብ ኣእዳዉን ኣብቲ ልሙፅ ክሳዱን ድማ ቘርበት እተን መሓስእ ገበረትሉ። ሽዑ ነቲ ጥዑም ብልዕን ነቲ ዝሰንከተቶ እንጀራን፥ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሃበቶ። ያእቆብ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ “ኣቦይ!” በሎ። ይስሓቅ ድማ “እኒሀኹ ወደይ፤ ንስኻ መን ኢኻ?” በሎ። ያእቆብ ድማ ነቦኡ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ እኒሀኹ፤ ተስእ ቅንዕ ኢልካውን ተቐመጥ፤ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐኒ ኸዓ ኻብዝ ዝሃደንክዎ ብላዕ” በሎ። ይስሓቅ ከዓ ንወዱ “ወደይ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዙይ ብቕልጡፍ ረኺብካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናባይ ስለዘቕረቦ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ይስሓቅ ከዓ ንያእቆብ “ወደይ! ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኽድህስሰካ ናባይ ቅረብ” በሎ። ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ቀረበ። ዳህሲሱ ኸዓ፥ “ድምፅኻ ድምፂ ያእቆብ ይመስል፤ ኣእዳውካ ግና ኣእዳው ኤሳው እየን” በለ። ንሱ ድማ፥ ኣእዳዉ ኸም ኣእዳው ሓዉ ኤሳው ፀጓራት ነበራ እሞ ኣየለለዮን፤ መረቖውን። “ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ?” ድማ ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ። “ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ፥ ካብቲ ዝሃደንካዮ ኽበልዕ ኣቕርበለይ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኣቕረበሉ፤ በልዐ ድማ፤ ወይኒ እውን ሃቦ እሞ ሰተየ። ኣቦኡ ይስሓቅ ድማ “ወደይ፥ ቀሪብካ ሰዓመኒ” በሎ። “እንሆ፥ መዓዛ ወደይ ከም መዓዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ግራት እዩ፤ ብዝሒ እኽልን ወይንን ይሃብካ። ዝረግመካ ርጉም፥ ዝምርቐካ ምሩቕ ይኹን” በሎ። ይስሓቅ ንያእቆብ መሪቑ ምስ ወድአ፥ ያእቆብውን ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ውፅእ ምስ በለ፥ ሓዉ ኤሳው ካብ ሃደን ኣተወ። ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣሰናድዩ፥ ናብ ኣቦኡ ኣምፅአ፤ ነቦኡ ድማ “ኣቦይ! ምእንቲ ነፍስኻ ኽትምርቐንስ፥ ተስእ እሞ ኻብቲ ኣነ ወድኻ ዝሃደንክዎ ብላዕ” በሎ። ኣቦኡ ይስሓቅ ከዓ “ንስኻኸ መን ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ ይስሓቅ የመና ደንገፀ እሞ፥ “እቲ ሃዲኑ ዝብላዕ ዘምፅአለይ፥ ኣነ ኸዓ ገና ንስኻ እንተይመፃእኻ፥ በሊዐ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ? ምሩቕ ድማ ክኸውን እዩ” በለ። ኤሳው ቃል ኣቦኡ ምስ ሰምዐ፥ የመና ዓው ኢሉ መሪር ብኽያት በኸየ፤ ነቦኡ ኸዓ “ኣቦይ! ንኣይውን መርቐኒ” በሎ። ይስሓቅ ድማ “ንምርቓኻስ ሓውካ መፂኡ ብተንኰል ወሲድዎ” በሎ። ይስሓቅ ከዓ መሊሱ ንኤሳው “እንሆ፥ ንሓውካ ጐይታኻ ገበርክዎ፤ ኵሎም ኣሕዋቱውን ኣገልገልቱ ክኾኑ ሃብክዎ፤ ብስርናይን ወይንን ድማ ኣሀብተምክዎ። ሕዚ እሞ ወደይ፥ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ?” በሎ። ካብ ላዕሊ ኻብ ዝርከብ ጠሊ ሰማይ ክኸውን እዩ። ምስ ተቓወምካዮ፥ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትድርቢ ኢኻ” በሎ። ኤሳው ድማ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ንያእቆብ ዝሃቦ ምርቓ፥ ንያእቆብ ተቐየሞ። ኤሳው ከዓ “ብሞት ኣቦይ እንሓዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ብድሕሪኡ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ንርብቃ ድማ ሓሳብ ዓብዪ ወዳ ኤሳው በፅሓ። ነቲ ንእሽተይ ወዳ ያእቆብ ከዓ ኣፀዊዓ ኣምፅኣቶሞ “እንሆ ኤሳው ሓውካ ኽቐትለካ ይደሊ ኣሎ። ሕዚ ኸዓ፥ ወደይ! ኣነ ዝብለካ ግበር፤ ተስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባ፥ ናብ ምድሪ ካራን ህደም። ቍጥዓ ሓውካ ኽሳዕ ዝዝሕል፥ ነቲ ዝገበርካዮ ድማ ኽሳዕ ዝርስዖ፥ ንቑሩብ ጊዜ ምስ ላባ ተቐመጥ፤ ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምፅአካ እየ። ስለ ምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም?” በለቶ። ርብቃ ኸዓ ንይስሓቅ “ብሰንኪ ኣጓላት ኬጢ ምንባረይ ፀላእኹ። ያእቆብ ካብ ኣጓላት ኬጢ፥ ካብ ኣጓላት እዛ ሃገር እዚኣ፥ ከምዚኣተን ዝበለት ሰበይቲ ዘእቱ እንተ ኾይኑ ብህይወት ምንባር ንኣይ እንታየይ እዩ?” በለቶ። ሽዑ ይስሓቅ ንያእቆብ ፀዊዑ መረቖ፤ ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፦ “ካብ ኣጓላት ከነዓን ሰበይቲ ኸይተእቱ። ተሲእኻ፥ ናብ ማእኸል ክልቲኦም ኣፍላጋት ናብ እንዳ ኣቦሓጐኻ ባቱኤል ኪድ፤ ኣብኡ ኸዓ ኻብ ኣጓላት ኣኮኻ ላባ ሰበይቲ ኣእቱ። እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ድማ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕኻን። እዛ ተሰዲድካላ ዘለኻ፥ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሃቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፥ ንኣኻን ንዘርእኻን በረከት ኣብርሃም ይሃብካ፤ ንዘርእኻውን ከማኻ።” ይስሓቅ ከዓ ንያእቆብ ሰደዶ። ንሱ ድማ ናብ ማእኸል ክልቲኦም ኣፍላጋት፥ ናብ እቲ ሶርያዊ ሓው ርብቃ እኖ ያእቆብን ኤሳውን ናብ ዝኾነ ላባ ወዲ ባቱኤል ከደ። ኤሳው ከዓ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ፥ ካብኡ ሰበይቲ ኸእቱ ድማ ናብ ማእኸል ክልተ ኣፍላጋት ከም ዝሰደዶ፥ ክምርቖ እንተሎውን፥ ካብ ኣጓላት ከነዓን ሰበይቲ ኸይተእቱ፥ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ፥ ያእቆብ ድማ ትእዛዝ ኣቦኡን እኖኡን ሰሚዑ፥ ናብ ማእኸል ክልተ ኣፍላጋት ኸም ዝኸደ ሰምዐ። ኣጓላት ከነዓንውን ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ፅሉኣት ከም ዝኾና ኤሳው ረአየ። ሽዑ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ፥ ንጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም ሓፍቲ ነባዮት ንማሓላት ኣእተዋ። ያእቆብ ከዓ ኻብ ቤርሳቤህ ወፂኡ፥ ናብ ካራን ክኸይድ ተልዓለ። ፀሓይ ዓሪባ ነበረት እሞ፥ ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ኣብኣ ሓደረ። ካብታ ቦታ ሓንቲ እምኒ ወሲዱ ድማ ተተርኢስዋ ደቀሰ። ብሕልሙ ድማ ሓንቲ ኻብ ምድሪ ናብ ሰማይ እትበፅሕ መሳልል ተተኺላ ረኣየ። መላእኽቲ እግዚኣብሄር ድማ ብኣኣ ይድይቡን ይወርዱን ነበሩ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፦ “ኣነ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ። ዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ባሕሪ ኽበዝሕ እዩ፤ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ እውን ብኣኻን ብዘርእኻን ክባረኹ እዮም። እንሆ ኣነ ምሳኻ እየ፤ ነቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ፤ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ኽሕልወካ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ” በሎ። ያእቆብ ከዓ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፥ “ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፥ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ። ፈሪሑ ስለ ዝነበረ ድማ “እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርሕ እያ! እዚኣ ቤት እግዚኣብሄር እያ እምበር፥ ካልእ ኣይኮነትን። እዚኣ ኣፍ ደገ ሰማይ እያ” በለ። ያእቆብ ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነታ ተተርኢሱዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ኸም ሓወልቲ ኽትከውን ኣቖማ፤ ኣብ ርእሳ ኸዓ ዘይቲ ኣፍሰሰላ። ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል” ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥ ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ መሊሱኒ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክኸውን እዩ። እዛ ኸም ሓወልቲ ገይረ ዝተኸልኩዋ እምኒ ኸዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። ካብ ኵሉ እትህበኒ ድማ ኣስራት ክህብ እየ” እናበለ ተመባፅዐ። ያእቆብ ድማ ኻብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ምብራቓውያን ከደ። እንሆ ድማ ኣብ ሜዳ፥ ዒላ ረአየ። እቲ ዒላ መጓሰታት ዝሰትያሉ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ጥቓኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ዐይመን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዒላ ዝነበረ እምኒ ኸዓ ዓብዪ ነበረ። ኵለን መጓሰታት ናብኡ ምስ ተኣከባ፥ እቶም ጓሶት ነቲ እምኒ፥ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ገምጢሎም፥ ነተን ኣባጊዕ የስትይወን ነበሩ። መጓሰኦም ምስ ኣስተዩ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ናብ ኣፍ እቲ ዒላ መሊሶም ይገጥምዎ ነበሩ። ያእቆብ ከዓ “ነቶም ጓሶት ኣቱም ኣሕዋተይ! ካበይ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ካብ ካራን ኢና” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ “ንላባ ወዲ ናኮር ትፈልጡዎዶ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ንፈልጦ” በልዎ። “ደሓንዶ ኣሎ?” ድማ በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ ደሓን ኣሎ፤ ራሄል ጓሉ እኳ እኒሃ ምስተን ኣባጊዕ ትመፅእ ኣላ” በልዎ። ያእቆብ ከዓ “እንሆ፥ ገና ቐትሪ እዩ ዘሎ፥ ከፍቲ ዝእከባሉ ጊዜ ኣይኮነን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ ኼድኩም ኣብልዕወን” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኵለን መጓሰታት ክሳዕ ዝእከባ፥ ነቲ እምኒ ኸዓ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኽሳዕ ዝግምጥልዎ ኣይንኽእልን ኢና፤ ድሕሪኡ ኢና ነተን ኣብጊዕ እነስትየን” በልዎ። ራሄል ባዕላ ኣባጊዕ ኣቦኣ ትጓሲ ነበረትሞ፥ ያእቆብ ገና ምስኣቶም ክዛረብ እንተሎ፥ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መፀት። ያእቆብ ድማ ንራሄል ጓል ኣኮኡ ላባን ነባጊዕ ኣኮኡን ምስ ረአየ፥ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ገምጠሎ። ነባጊዕ ኣኮኡ ላባ ድማ ኣስተየን። ያእቆብ ድማ ንራሄል ሰዓማ፥ ዓው ኢሉውን በኸየ። ያእቆብ ድማ ንራሄል ዘመድ ኣቦኣ ወዲ ርብቃ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸዓ ጐይያ ኸይዳ ነቦኣ ነገረቶ። ላባ ወረ ያእቆብ ወዲ ሓፍቱ ምስ ሰምዐ፥ ክቕበሎ ጐየየ፤ ሓቚፉውን ሰዓሞ፤ ናብ ገዛኡ ድማ ኣእተዎ። ያእቆብ ከዓ እቲ ዅሉ ዝኾነ ነገር ንላባ ነገሮ። ላባ ኸዓ “ብሓቂ ንስኻ ዓፅመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ወርሒ ዝኣክልውን ምስኡ ተቐመጠ። ላባ ድማ ንያእቆብ “ሓወይ ስለ ዝኾንካዶ ብኸምኡ ኽተገልግለኒ ዄንካ? ዓስብኻ እንታይ ምዃኑ ደኣ ንገረኒ” በሎ። ንላባ ኸዓ ኽልተ ኣጓላት ነበራኦ። ስም እታ ዓባይ ልያ፥ ስም እታ ንእሽተይ ከዓ ራሄል ነበረ። ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፤ ራሄል ግና መልክዐኛ፥ ትርኢታውን ፅብቕቲ ነበረት። ያእቆብ ድማ ንራሄል ይፈትዋ ስለ ዝነበረ፥ “ምእንቲ እታ ንእሽተይ ጓልካ ራሄል፥ ሸውዓተ ዓመት ከገልግለካ” በሎ። ላባ ኸዓ፥ “ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፥ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፤ ምሳይ ተቐመጥ” በሎ። ያእቆብ ከዓ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ኣገልገለ፤ ንኣኣ ይፈትዋ ስለ ዝነበረ ድማ ኸም ውሑዳት መዓልቲታት ኾይነን ተርአያኦ። ያእቆብ ከዓ ንላባ “ጊዜይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ክምርዐዋስ ሕፂተይ ሃበኒ” በሎ። ሽዑ ላባ ንዅሎም ሰብ እታ ሃገር ኣኪቡ መርዓ ገበረ። ምሸት ምስ ኮነ ድማ ላባ ንልያ ጓሉ ወሲዱ፥ ናብ ያእቆብ ኣእተዋ፤ ያእቆብውን ናባኣ ኣተወ። ላባ ድማ ነታ ኣገልጋሊቱ ዘለፋ ንጓሉ ልያ ኣገልጋሊት ክትኮና ሃባ። ምስ ወግሐ እንሆ ንሳ ልያ ኾይና ተረኽበት፤ ያእቆብ ድማ ንላባ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኮንኩን ዘገልገልኩኻ? ስለ ምንታይ ደኣ ኣታሊልካኒ?” በሎ። ላባ ድማ “ምዕባያ እናሃለወት ንምንኣሳ ምምርዓው ኣብ ሃገርና ኣይተለምደን፥ ነዛ ሰሙን ሕፅኖት እዚኣ ፈፅም እሞ፥ ስለ እቲ ምሳይ ካልእ ሸውዓተ ዓመት እተገልግሎ ኣገልግሎት፥ ንራሄል ድማ ኽህበካ እየ” በሎ። ያእቆብ ከዓ ኸምኡ ገበረ፤ ሰሙን ሕፅኖትውን ወድአ። ብድሕሪኡ ላባ ንጓሉ ራሄል ሰበይቱ ኽትኮኖ ሃቦ። ነታ ኣገልጋሊቱ ባላ ንጓሉ ራሄል ኣገልጋሊት ክትኮና ሃባ። ያእቆብ ናብ ራሄል ኣተወ። ንራሄል ከዓ ኻብ ልያ ኣብሊፁ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ኻልእ ሸውዓተ ዓመት ንላባ ኣገልገሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ልያ ኸም ዝተፀልአት ሪኡ ማህፀና ኸፈተላ፤ ራሄል ግና መኻን ነበረት። ልያ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር መከራይ ሪኡ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ክፈትወኒ እዩ” እንትትብል “ሮቤል” ኢላ ሰመየቶ። መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር ከም ዝተፀላእኹ ስለ ዝሰምዐ ነዙይ ድማ ሃበኒ” በለት፤ “ስምኦን” ኢላውን ሰመየቶ። መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ሰለስተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ናባይ ክፅጋዕ እዩ” እንትትብል፥ “ሌዊ” ኢላ ሰመየቶ። መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፥ ወዲውን ወለደት። “ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ” በለት። “ይሁዳ” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ሽዑ ምውላድ ኣቋረፀት። ራሄል ድማ ንያእቆብ ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረአየት፥ ብሓፍታ ቐንአት፤ ንያእቆብ ከዓ፥ “ውሉድ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽመውት እየ” በለቶ። ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንራሄል “ኣነ ውሉድ ክህበክን ክኸልአክን ዝኽእል እግዚኣብሄር ድየ?” በላ። ንሳ ኸዓ፥ “እኒሃ፥ ኣገልጋሊተይ ባላ፥ ኣብ ብርከይ ትውለድ፤ ደቃ ኸዓ ንኣይ ምእንቲ ክኾኑለይ፥ ናብኣ እቶ” በለቶ። ንኣገልጋሊታ ባላ ኸዓ ሰበይቱ ኽትከውን ንእኡ ሃበቶ፤ ያእቆብ ድማ ናብኣ ኣተወ። ባላ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ። ሽዑ ራሄል፥ “ኣምላኽ ፍትሒ ኣውፂኡለይ፤ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ” በለት፤ “ዳን” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ባላ ኣገልጋሊት ራሄል መሊሳ ጠነሰት፤ ንያእቆብውን ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። ሽዑ ራሄል “ብርቱዕ ቓልሲ ምስ ሓፍተይ ተቓለስኩ እሞ ሰዓርኩ” በለት፤ “ንፍታሌም” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ልያ ኸዓ ምውላድ ከም ዘቋረፀት ምስ ረአየት፥ ንኣገልጋሊታ ዘለፋ ወሲዳ፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ንያእቆብ ሃበቶ። ናይ ልያ ኣገልጋሊት ዘለፋ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። ሽዑ ልያ፥ “ዕድለኛ እየ” በለት፤ “ጋድ” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ናይ ልያ ኣገልጋሊት ዘለፋ ድማ፥ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። ልያ ኸዓ፥ “ተሓጕሰ እየ እሞ፥ ‘ኣንስቲ ሕጕስቲ’ ኽብላኒ እየን” በለት። “ኣሴር” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዕፀደሉ ወርሓት ንበረኻ ወፈረ እሞ፥ ምልዖ ረኸበ፤ ንኖኡ ልያ ድማ ኣምፅአላ። ሽዑ ራሄል ንልያ “ካብዝ ምልዖ ወድኺ ሃብኒ?” በለታ። ንሳ ኸዓ “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይ ንኢሱክስ፥ ምልዖ ወደይ ድማ ኽትወስዲ?” በለታ። ራሄል ድማ፥ “እምበኣር ክንዲ ምልዖ ወድኺ ነዛ ለይቲ እዚኣ ያእቆብ ምሳኺ ይሕደር” በለታ። ምሸት ያእቆብ ካብ በረኻ ኽኣቱ እንተሎ ልያ ኽትቅበሎ ወፀት። “ብምልዖ ወደይ ዓዲገካ እየ እሞ፥ ምሳይ ኢኻ እትሓድር” በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ያእቆብ ምስኣ ሓደረ። እግዚኣብሄር ድማ ንልያ ሰምዓ እሞ፥ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ከዓ ሓምሻይ ወዲ ወለደትሉ። ልያ ድማ “መገልገሊተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሃብኩ፥ ኣምላኽ ዓስበይ ሂቡኒ” በለት፤ “ይሳኮር” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ከዓ ሻድሻይ ወዲ ወለደትሉ። ልያ ድማ “ኣምላኽ ሰናይ ውህብቶ ሂቡኒ፥ ሕዚ ሽዱሽተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ክነብር እዩ” በለት፤ “ዛብሎን” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ድሕሪዙይ ጓል ወለደት፤ “ዲና” ኢላውን ሰመየታ። እግዚኣብሄር ድማ ንራሄል ዘከራ፤ ፀሎታ ስለ ዝሰምዐ ድማ ማህፀና ኸፈተላ። ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ኣምላኽ ውርደተይ ኣርሒቑለይ” ድማ በለት። “እግዚኣብሄር ካልእ ወዲ ይወስኸኒ” እንትትብል “ዮሴፍ” ኢላ ሰመየቶ። ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፥ ያእቆብ ንላባ፦ “ናብ ዓደይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሰናብተኒ። እተን ምእንትኣተን ዘገልገልኩኻ ኣንስተይን ደቀይንውን ሃበኒ። እቲ ዘገልገልኩኻ ኣገልግሎት ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፥ ክኸይድ ኣሰናብተኒ” በሎ። ላባ ድማ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፥ እግዚኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ ኣለኹ እሞ፥ ዓስብኻ ንገረኒ ኽህበካ” በሎ። ያእቆብ ከዓ፥ “ከመይ ከም ዘገልገልኩኻን ከፍትኻውን ኣነ ኽጓስየን እንተለኹ ኸመይ ከም ዝበዝሓን ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣነ እንተይመፃእኹ ውሑዳት ነበራኻ፤ ሕዚ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ዅሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፥ ኬርና በዝሓ፤ ሕዚ ኸዓ ንናይ ባዕለይ ቤተ ሰብ ዝኸውን ዝሓስበሉ ድኣ መኣዝ እዩ?” በሎ። ላባ ድማ “እንታይ እሞ ኽህበካ?” በሎ። ያእቆብ ከዓ፥ “ሓደ እኳ ኣይትሃበኒ። ከምዙይ እንተ ገበርካለይ ግና ነባጊዕኻ መሊሰ ኽጓስየንን ክከናኸነንን እየ። ሎሚ ንዅለን መጓሰኻ ኽዀለን እየ፤ ካብኣተን ከዓ ነተን ትኳዕ ትኳዕ ዘለወን ውርውራይ ኣባጊዕን፥ ውፁኣት ፀለምቲ ለያሙን፥ ውርውራይ ዝኾና ኣጣልን ኽፈሊ እየ እሞ፥ ንሳተን ዓስበይ ይኹና። ካብ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ክትፀባፀብ ምስ መፃእኻ፥ ሽዑ ቕኑዕ ምዃነይ ክትርኢ ኢኻ። ውርውራይ ዘይኮና ኣጣል፥ ውፁኣት ፀለምቲ ዘይኮና ኣባጊዕ ኣባይ እንተ ተረኽባ፥ ከም ዝተሰርቃ ይቈፀረኒ” በሎ። ላባ ኸዓ “ሕራይ፤ ከም ዝበልካዮ ይኹን” በሎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ላባ ነቶም ውርውራይ ዘለዎም ብርሆታት ወጣጡን፥ ንዅለን ነተን ብርሆታትን ዝንጕርጕር ኣጣልን፥ ፃዕዳ ዘለወን ኵለን፥ ካብ ኣባጊዕ ድማ ዅለን ፀለምቲ ፈልዩ ንደቁ ሃቦም። ካብቲ ያእቆብ ዝነበሮ ኸዓ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣርሓቐን። ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባ ይጓሲ ነበረ። ያእቆብ ከዓ ኸራውሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዝበሃሉ ኣእዋም ርሑስ ኣብትርቲ ቘረፀ፤ ወሲዱውን ነቲ ኣብትርቲ ውርውራይ ገይሩ ቐለጦ። ነቲ ውርውራይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ፥ ኣብቲ እተን መጓሰታት መፂአን ዝሰትያሉ ጋብላታት፥ ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ገበሮ እሞ ኽሰትያ ምስ መፃ ይሃርፋ ነበራ። እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ምስተሰረራ፥ ውርውራይን ትኳዕ ትኳዕን ብርሆታትን ወለዳ። ሽዑ ያእቆብ ነተን መሓስእ ፈለየን። ነተን መጓሰ ኸዓ ኣብ መንፅር እተን ውርውራይን ውፁኣት ፀለምትን መጓሰ ላባ ገበረን። ንመጓሰኡ ግና ንበይነን ገበረን እምበር ምስ መጓሰ ላባ ኣይሓወሰንን። በቲ እተን ደዐኛታት ኣባጊዕ ዝስረራሉ ጊዜ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኽስረራ፥ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ። እተን ድኹማት ኣባጊዕ ኣብ ዝስረራሉ ጊዜ ግና ኣየንብሮን ነበረ። በዝ ኸምዙይ ከዓ እተን ድኹማት ንላባ፥ እተን ደዐኛታት ድማ ንያእቆብ ኮና። ያእቆብ ከዓ የመና ሃብተመ። ብዙሓት መጓሰታትን ሓሻኽርን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግንውን ኣጥረየ። ደቂ ላባ “እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ዅሉ ያእቆብ ወሲድዎ፤ ኵሉ እዝ ሃብቲ እዙይ ከዓ ኻብ ኣቦና ዝረኸቦ እዩ” ኢሎም ክዛረቡ እንተለዉ ያእቆብ ሰምዐ። ገፅ ላባውን ከም ቀደሙ ኸም ዘይኮነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንያእቆብ “ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ። ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብቲ መጓሰኡ ዝነበራኦ በረኻ ፀውዐን። ከምዙይውን በለን፦ “ገፅ ኣቦኻትክን፥ ከም ቀደሙ ኣባይ ፅቡቕ ከም ዘይኮነ እርኢ ኣለኹ። ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነይሩ እዩ። ነቦኻትክን ብምሉእ ሓይለይ ከም ዘገልገልክዎውን ንስኻትክን ትፈልጣ ኢኽን። ኣቦኻትክን ግና ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ እናለዋወጠ ሸፈጠኒ፤ ዝኾነ ኾይኑ እግዚኣብሄር ክፉእ ክገብረኒ ኣይፈቐደሉን። ንሱ ‘ውርውራይ ዝኾና ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለኒ፥ ኵለን መጓሰ ውርውራይ ወለዳ። ‘ዓስብኻ ብርሆታት ይኹና’ ምስ በለኒ ኸዓ፥ ኵለን መጓሰ ብርሆታት ወለዳ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ጥሪት ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሃበኒ። “በቲ እተን መጓሰ ዝስረራሉ ጊዜ ሓለምኩ፤ እንሆ እቶም ነተን መጓሰ ዝሰርወን ተባዕትዮ ብርሆታትን ዝንጕርጕርን ውርውራይን ከም ዝነበሩ ረአኹ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ብሕልሚ ‘ያእቆብ’ ኢሉ ፀውዐኒ። ኣነ ኸዓ ‘እኒሀኹ’ በልኩ። ንሱውን ዓይንኻ ቛሕ ኣብልሞ ‘እንሆ እዞም ነዘን መጓሰ ዝሰርወን ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ብርሆታት፥ ዝንጕርጕርን ውርውራይን ከም ዝኾኑ ረአ። እዙይ ከዓ ነቲ ላባ ዝበደለካ ስለ ዝረአኹ እየ። እቲ ሓወልቲ ዝቐባእኻሉን፥ ኣብኡ ድማ መብፅዓ ዝተመባፃዕኻለይን ኣምላኽ ቤቴል ኣነ እየ። ሕዚ ተስእ እሞ ኻብዛ ሃገር እዚኣ ወፂእኻ ናብታ ዝተወለድካላ ምድሪ ተመለስ’ በለኒ” በለን። ራሄልን ልያን ከዓ “ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና ግደ ወይ ርስቲ ሃልዩና? ንኣና ሸይጡ ዋጋና ኻብ በልዐኸ፥ ከም ጓኖትዶ ቘፂሩና ኣይኮነን? እቲ እግዚኣብሄር ካብ ኣቦና ዝወሰዶ ዅሉ ሃብቲ፥ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ። ሕዚ ኸዓ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝበለካ ግበር” ኢለን መለሳሉ። ሽዑ ያእቆብ ተልዓለ ንደቁን ነንስቱን ኣብ ኣግማል ኣቐመጦም። ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸይድ፥ ኵሉ መጓሰኡ ምስቲ ዅሉ ኣብ መንጎ ክልተ ሩባታት እንተሎ ዘጥረዮ ሃብቲ ሒዙ ኸደ። ላባ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ከይዱ ነበረ፤ ሽዑ ራሄል ጣዖታት ኣቦኣ ሰረቐት። ያእቆብ ድማ፥ ነቲ ሶርያዊ ላባ ኸም ዝኸይድ እንተይነገረ መሊቑ ኸደ። ዘለዎ ዅሉ ሒዙውን ሃደመ፤ ሩባ ተሳጊሩ ድማ ጕዕዞኡ ናብ እምባ ገለዓድ ኣቢሉ ኣቕንዐ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ፥ ያእቆብ ከም ዝሃደመ ንላባ ነገርዎ። ሽዑ ኣዝማዱ ሒዙ ደድሕሪኡ መንገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ሰዓቦ። ኣብ እምባ ገለዓድ ድማ ኣርከቦ። እግዚኣብሄር ግና ብሕልሚ፥ ለይቲ ናብ እቲ ሶርያዊ ላባ መፂኡ “ንያእቆብ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተጠንቀቕ” በሎ። ያእቆብ ድንኳኑ ኣብ እምባ ተኺሉ ነበረ፤ ላባ ድማ ኣርከቦ፤ ምስ ሰቡ ኸዓ ድንኳኑ ኣብ እምባ ገለዓድ ተኸለ። ላባ ኸዓ ንያእቆብ ከምዙይ በሎ፦ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ? ንኣይ ኣታሊልካዶ፥ ነዋልደይ ኣብ ውግእ ከም ዝተማረኻ ዀብኰብካየን? ስለ ምንታይ ብስውር ሃደምካ ኻባይ ከዲዕኻ ዀብለልካ? ነጊርካኒ እንተትኸውንስ ብሓጐስን ብመዝሙርን ብኸበሮን ብመሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ። ነወዳተይን ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ዕድል ኣይሃብካንን። ናይ ሰነፍ ስራሕ ኢኻ ዝገበርካ። ጕድኣት ከብፅሐልካ ምኸኣልኩ ነይረ፤ እንተ ኾነ ኣምላኽ ኣቦኻ ትማሊ ለይቲ ‘ንያእቆብ ፅቡቕ ኮነ ክፉእ ኸይትዛረቦ’ ኢሉ ኣጠንቀቐኒ። ሕዚ ኸዓ ቤት ኣቦኻ ኻብ ናፈቕካ ኺድ፤ ንኣማልኽተይ ግና ስለ ምንታይ ሰረቕካዮም?” በሎ። ያእቆብ ድማ ንላባ “ነጓላትካ ብሓይሊ ኸይተሕድገኒ ስለ ዝፈራሕኹ እየ እዙይ ዝገበርኩ። ንኣማልኽትኻ ዝወሰደ እንተ ሃልዩ ግና ንሱ ይቀተል። ናትካ ዝኾነ ምሳይ እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣዝማድና ጐርጒርካ ውሰድ” ኢሉ መለሰሉ። ነቶም ኣማልኽቲ፥ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ያእቆብ ኣይፈለጠን ነበረ። ላባ ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን እተን ክልተ ኣገልገልትን ኣተወ፤ ነቶም ኣማልኽቲ ግና ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወፂኡ ድማ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ። ራሄል ከዓ ነቶም ጣዖታት ወሲዳ ኣብ ትሕቲ ኮረቻ ግመል ኣንቢራ ኣብ ልዕሊኣቶም ኮፍ በለት። ላባ ድማ ንዅሉ ድንኳን ጐርጐሮ፤ ክረኽቦም ግና ኣይከኣለን። ንሳ ኸዓ ነቦኣ “እቲ ኣብ ኣንስቲ ዝበፅሕ በፂሑኒ እዩሞ፥ ተሲአ ኽቕበለካ ብዘይ ምኽኣለይ ኣይትዀሪ” በለቶ፤ ንሱ ኸዓ ደለየ፤ ነቶም ጣዖታት ግና ኣይረኸቦምን። ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንላባ ኸምዙይ ኢሉ ወቐሶ፦ “እቲ ብናህሪ ደድሕረይ ክትግስግስ ዝገበረካ በደለይ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ እንታይ እዩ? እምበኣር ንዅሉ ኣቑሑተይ ጐርጐርካ፥ ካብ ኣቑሑት ገዛኻ እንታይ ረኸብካ? ኣብ መንጎ ኽልቴና ኽፈርዱስ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ ኣዝማደይን ኣዝማድካን ኣምፅኣዮ። ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነበርኩ፤ ካብ ጤለ በጊዕኻ ዘውሃየት ኣይነበረትን፤ ካብ መጓሰኻውን ሓደ ጡበት በጊዕ እኳ ኣይበላዕኹን። ኣራዊት ዝቐተላ ኣምፂአልካ ኣይፈልጥን፤ እኳ ደኣ ባዕለይ እኸፍለካ ነበርኩ። ብመዓልቲ ኾነ ብለይቲ ዝተሰርቀት ድማ ኻባይ ትደልያ ነበርካ። ሃሩር ብመዓልቲ፥ ኣስሓይታ ድማ ብለይቲ የሳቕየኒ ነበረ፤ ድቃስውን ካብ ዓይነይ ጠፊኡ ነበረ። ከምዙይ ኢለ እየ ዕስራ ዓመት ኣብ ገዛኻ ዝነበርኩ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲአን ኣጓላትካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕኻ ኣገልገልኩኻ፤ ምስዙይ ከዓ ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ ለዋወጥካ። ናይ ኣቦይ፥ ናይ ኣብርሃም ኣምላኽ፥ እቲ ይስሓቅ ዝፈርሖ ኣምላኽ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፥ ብርግፅ ሕዚ ጥራሕ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ፃዕረይን ሪኡ ትማሊ ለይቲ ገሰፀካ” በሎ። ላባ ድማ ንያእቆብ “እዘን ኣጓላት ደቀይ እየን፤ እዞም ቈልዑውን ደቀይ እዮም፤ እዘን መጓሰታት ከዓ መጓሰታተይ እየን፤ እዝ እትሪኦ ዘለኻ ዅሉ ድማ ናተይ እዩ። ሎሚ ደኣ ነዘን ኣጓላተይ ወይ ነዞም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ ክገብሮም እኽእል? ሕዚ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ክኸውንስ፥ ነዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ” በሎ። ያእቆብ ከዓ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ተኸለ። ነቶም ኣሕዋቱ ድማ “ኣእማን ኣክቡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣእማን ኣኪቦም ኰመሩ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅምራ ድማ በልዑ። ላባ ነቲ ዅምራ እምኒ “ኵምራ ምስክር” ላባ ድማ፥ “ሎሚ እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን” በለ። ስለዙይ ስሙ ገለዓድ ተብሃለ። ላባ “ንሕና ኻብዙይ ምስተፈላለና፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” ኢሉ ስለ ዝነበረ “ምፅጳ” “ነዘን ኣጓላተይ እንተ ገፋዕኻየን ወይ ኣብ ልዕሊኣተን ካልኦት ኣንስቲ እንተእተኻ፥ ዝርኢ ሰብ እኳ ምሳና እንተ ዘየለ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ። ላባ ድማ መሊሱ ንያእቆብ “እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ እንሆ፥ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲውን እንሆ፥ ኣነ ነዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ሓሊፈ ኸየጥቅዐካ፥ ንስኻውን ነዝ ዅምራ እምኒ እዙይን ነዝ ሓወልቲ እዙይን ሓሊፍካ ኸይተጥቅዐኒ፥ እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ምስክር ይኹን፥ እዝ ሓወልቲ እዙይውን ምስክር ይኹን። ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናኮርን፥ ኣምላኽ ኣቦኣቶምን፥ ኣብ መንጎና ይፍረድ” በሎ። ያእቆብ ድማ በቲ ብፍርሓት ኣቦኡ ይስሓቅ መሓለ። ያእቆብ ኣብቲ እምባ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። ነቶም ሰቡ ኸዓ እንጀራ ኽበልዑ ፀውዖም። እንጀራ በሊዖም ድማ ኣብቲ እምባ ሓደሩ። ላባ ኸዓ ብፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንኣወዳትን ንኣጓላትን ደቁ ድማ፥ ስዒሙን መሪቑን ተሰናበቶም፤ ተልዒሉውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ። ያእቆብ ድማ መንገዱ ቐፀለ፤ መላእክቲ እግዚኣብሄር ከዓ ተራኸብዎ። ያእቆብ ምስ ረአዮም “እዙይ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ” በለ። ነታ ቦታ እቲኣ ኸዓ “መሃናይም” ያእቆብ ድማ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ኣብ ምድሪ ሴይር ናብ ዝነብር ሓዉ ኤሳው ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ። ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ “ሓሽከርካ ያእቆብ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንጐይታይ ኤሳው ንገርዎ፦ ምስ ላባ ነበርኩ፤ ክሳዕ ሕዚ እውን ተቐመጥኩ። ከፍትን ኣእዱግን ጤለ በጊዕን፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣገልገልትን ኣለዉኒ። ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ፥ ንኣኻ ንጐይታይ ክነግሩኻ ልኡኻት ለኣኽኩ።” እቶም ልኡኻት ከዓ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም “ናብ ሓውካ ኤሳው በፂሕና፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ ሒዙ ኽቕበለካ ይመፅእ ኣሎ” በልዎ። ሽዑ ያእቆብ የመና ፈርሐ፤ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነበሩ ሰባትን ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን ኣግማልን ኣብ ክልተ ኽፋል ከፈሎም፤ “ኤሳው መፂኡ ነቲ ሓደ ኽፋል እንተጥቅዖ እቲ ዝተረፈ ኽፋል ይድሕን” ኢሉውን ሓሰበ። ያእቆብ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሓቅን! ‘ናብ ምድርኻን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ፥ ፅቡቕ ክገብረልካ እየ’ ዝበልካኒ እግዚኣብሄር፦ እዝ ዅሉ ንኣይ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ዘይግብአኒ እዩ። ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ሓንቲ በትሪ ሒዘ እየ ዝተሳገርክዋ። ሕዚ ግና ኽልተ ኽፋል ሰራዊት ኮይነ ኣለኹ። መፂኡ ኸየጥፍአና፥ ንእኖታትውን ምስ ደቀን ከይወቅዕ እፈርሕ ኣለኹ እሞ፥ በይዛኻ ኻብ ኢድ ሓወይ ኤሳው ኣድሕነኒ። ‘ብዙሕ ፅቡቕ ክገብረልካ እየ፤ ንዘርእኻውን ምብዛሑ ኽቝፀር ከም ዘይከኣል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ ኽገብሮ እየ’ ኢልካ ኔርካ።” ያእቆብ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብኣ ሓደረ። ኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ዅሉ ድማ ንሓዉ ኤሳው ዝኸውን ገፀ በረከት ኣዳለወ። ክልተ ሚእቲ ኣንስትዮ ኣጣል ዕስራ ዲበላታትን፥ ክልተ ሚእቲ ኣንስትዮ ኣባጊዕን ዕስራ ማጓሉን፥ ሰላሳ ዘጥብዋ ኣግማል መምስ ውላደንን፥ ኣርብዓ ኣላሕምን ዓሰርተ ኣብዑርን፥ ዕስራ ኣንስትዮ ኣእዱግን ዓሰርተ ፃዕብታት ኣእዱግን፥ ነዚኣተን በብመጓሰአን ከፋፊሉ ንኣገልገልቱ ሃቦም። “መጓሰ ካብ መጓሰ ኣረሓሒቕኩም ከዓ ቐቅድመይ ሕለፉ” በሎም። ነቲ ቐዳማይ፥ “ሓወይ ኤሳው ምስ ረኸበካ እሞ፥ ‘ናይ መን ኢኻ? ናበይከ ትኸይድ ኣለኻ? እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ፥ ናይ መን እየን?’ ኢሉ እንተ ጠየቐካ፥ ‘ንጐይታይ ኤሳው ገፀ በረከት ዝሰደደን ናይ ኣገልጋሊኻ ያእቆብ እየን፤ ንሱ ድማ እንሆ ደድሕሬና ይመፅእ ኣሎ’ በሎ” ኢሉ ኣዘዞ። ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፥ ነቶም መጓሰታት ዝዅብኩቡ ዅሎምን፥ “ንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎ ኸምኡ በልዎ” ኢሉ ኣዘዞም። ብፍላይ “ኣገልጋሊኻ ያእቆብ እንሆ ደድሕሬና ይመፅእ ኣሎ” ምባል ኣይትረስዑ። ያእቆብ “በዝ ቐቅድመይ ዝኸይድ ዘሎ ገፀ በረከት ከዝሕሎ እየ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ገፁ እርኢ፤ ምናልባሽ ብፅቡቕ ይቕበለኒ ይኸውን” ኢሉ ሓሰበ። በዝ ኸምዙይ እቲ ገፀ በረከት ቀቅድሚኡ ሓለፈ። ንሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ያእቆብ ተሲኡ ኽልቲአን ኣንስቱን ክልቲአን ኣገልገልቱን ዓሰርተ ሓደ ደቁን ሒዙ ንሩባ ያቦቅ ተሳገረ። ነቲ ሩባ ምስ ኣሳገረን፥ ዘለዎ ዅሉ ጥሪት ከዓ ኣሳገረ። ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ተቓለሶ። ንሱ ኸዓ ኸም ዘየሰነፎ ምስ ረአየ፥ ንያእቆብ ምሕዅልቱ ነኽኦ፤ ያእቆብ ድማ ኽቃለስ እንተሎ ምሕዅልቱ መለቘት። እቲ ሰብኣይ ድማ “ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ ክኸይድ ስደደኒ” በሎ። ያእቆብ ከዓ “እንተይባረኽካኒ ኣይሰደካን እየ” በሎ። እቲ ሰብኣይ “መን እዩ ስምካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ስመይ ያእቆብ” እዩ ኢሉ መለሰ። ያእቆብ ከዓ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ሪአዮ ነፍሰይ ድሒና ተረፈት እንትብል፥ ነታ ቦታ “ጰኒኤል” ኢሉ ሰመያ። ካብ ጰኒኤል ክለዓል እንተሎ ፀሓይ በረቐቶ። ምሕዅልቱ መሊቛ ስለ ዝነበረት ከዓ ይሕንክስ ነበረ። ያእቆብ ኣብቲ መፈላለዪ ምሕዅልቱ ስለ ዝተወቕዐ፥ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፋላለዪ ምሕዅልቲ ሹሉዳ ኣይበልዑን እዮም። ያእቆብ ከዓ ዓይኑ ኣልዒሉ እንሆ፥ ኤሳው ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ኣኸቲሉ ኽመፅእ እንተሎ ኣማዕድዩ ረአየ። ሽዑ ነቶም ደቁ፥ ኣብ ልያን ኣብ ራሄልን ኣብ ክልቲአን እተን ኣገልገልትን መቓቐሎም። ነተን ኣገልገልትን ንደቀንን ቅድሚት፥ ንልያን ንደቃን ድማ ደድሕሪአን፥ ንራሄልን ንዮሴፍን ከዓ ድሕሪ ዅሎም ገበሮም። ያእቆብ ከዓ ቕድሚኦም ሓሊፉ፥ ናብ ሓዉ ኤሳው ክሳዕ ዝበፅሕ ሸውዓተ ሻዕ ናብ ምድሪ ሰገደ። ኤሳው ድማ እናጐየየ ተቐበሎ፤ ክሳዱ ሓቝፉ ድማ ሰዓሞ፤ ክልቲኦምውን በኸዩ። ያእቆብ ድማ፥ “እዚኣቶም ንኣይ ንኣገልጋሊኻ እግዚኣብሄር ብልግስናኡ ዝሃበኒ ውሉድ እዮም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እተን ኣገልገልቲ ምስ ደቀን ቀሪበን ሰገዳሉ። ልያን ደቃንውን ቐሪቦም ሰገዱሉ። ደሓር ድማ ዮሴፍን ራሄልን ቐሪቦም ሰገዱሉ። ኤሳው ከዓ “እዝ ዅሉ ዝረኸብክዎ መጓሰታትከ እንታይ እዩ? ንምንታይ ዝኸውንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ “ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰሉ። ኤሳው ከዓ፥ “ሓወይ፥ ኣነ ዝኣክል ኣለኒ፤ ናትካስ ንኣኻ ደኣ ይኹን” በሎ። ያእቆብ ድማ “ኣይፋልካን፤ ብሓጐስ ካብ ተቐበልካንስ፥ ገፅካ ምርኣይ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ከም ምርኣይ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ፥ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረከት ተቐበለኒ። እግዚኣብሄር ልግሱ ኣብዚሑለይ፥ ብዅሉውን ኣሀብቲሙኒ እዩ እሞ፥ እቲ ዝሰደድኩልካ ገፀ በረከት ተቐበል ደኣ” ኢሉ ግድን በሎ፤ ኤሳው ከዓ ተቐበሎ። ኤሳው ድማ፥ “ንዑናይ ንኺድ፥ ኣነ ድማ ቐቅድሜኻ ክኸይድ እየ” በሎ። ያእቆብ ግና፥ “እዞም ቈልዑ ዘይጠንከሩ ህፃናት ከም ዝኾኑ፥ ዘጥብዋ ጤለ በጊዕን ከፍትን ከዓ ኸም ዘለዋኒ፥ ጐይታይ ትፈልጥ ኢኻ። ሓደ መዓልቲ እኳ ብታህዋኽ እንተ ዀብኰብናየን ኵለን መጓሰ ኽሞታ እየን። ጐይታይስ ቀቅድመይ ደኣ ሕለፍ፤ ኣነ ኣገልጋሊኻ ድማ ናባኻ ናብ ጐይታይ ኣብ ሴይር ክሳዕ ዝበፅሕ፥ ከም ዓቕሚ እተን ቀቅድመይ ዘለዋ ኸብትን ከም ዓቕሚ እቶም ቈልዑን ገይረ ሰለይ እናበልኩ ኽመፅእ እየ” በሎ። ኤሳው ከዓ “እምበኣር ካብዞም ምሳይ ዘለዉ ሰባትዶ መቒለ ኽሓድገልካ” በሎ። ያእቆብ ግና “ኣብ ቅድሜኻ ደኣ ሞገስ እርከብ እምበር፥ እዙይስ ኣየድልን እዩ” በሎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኤሳው ናብ ሴይር ኣቢሉ ተመለሰ። ያእቆብ ግና ናብ ሱኮት ተጕዓዘ፤ ኣብኡውን ንባዕሉ ቤት ሰርሐ፤ ንጥሪቱውን ዳሳት ገበረ፤ ስለዙይ ስም እቲ ቦታ ሱኮት ተብሃለ። ያእቆብ ድማ ኻብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ምስ መፀ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ናብ ዘላ ኸተማ ሴኬም ብደሓን ኣተወ። ኣብ ማዕዶ እታ ኸተማ ኸዓ ሰፈረ። እታ ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ኽፍሊ ግራት ድማ ኻብ ኢድ ደቂ ኤሞር፥ ኣቦ ሴኬም፥ ብሚእቲ ኣባጊዕ ዓደጋ። ኣብኣ መሰውኢ ኣቝሙ ኸዓ “ኤል ኤሎሄ እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ። እታ ኻብ ያእቆብ ዝተወለደት ጓል ልያ ዲና ነጓላት እቲ ሃገር ክትርኢ ወፀት። ሴኬም ወዲ ኤሞር፥ እቲ ኤውያዊ ገዛኢ እቲ ሃገር ድማ ረአያ። ወሰዳ እሞ ምስኣ ደቀሰ፤ ኣነወራውን። ልቡ ድማ ብፍቕሪ ዲና ጓል ያእቆብ ተማረኸ እሞ ፈተዋ፤ ንልባ ብዘሐጕስ ነገርውን ተዛረባ። ሴኬም ድማ ነቦኡ ኤሞር “ነዛ ጓል እዚኣ ኣመርዕወኒ” በሎ። ያእቆብ ድማ ሴኬም ንጓሉ ዲና ኸም ዘነወራ ሰምዐ፤ ደቁ ኸዓ ምስ ጥሪቱ ኣብ በረኻ ነበሩ እሞ፥ ደቁ ኽሳዕ ዝኣትዉ ስቕ በለ። ኤሞር ኣቦ ሴኬም ከዓ ምስኡ ኽዛረብ ናብ ያእቆብ ከደ። ደቂ ያእቆብ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ በረኻ ኣተዉ። ሴኬም ንጓል ያእቆብ ብምድፋሩ ኣብ እስራኤል ኽግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ የመና ብሕርቃን ነደዱ። ኤሞር ድማ “ወደይ ሴኬም ብፍቕሪ ጓልኩም ልቡ ተማሪኹ እዩ እሞ፥ በይዛኻትኩም ሰበይቱ ኽትከውን ሃብዎ። ምሳና ተዋሰቡ፤ ኣዋልድኩም ሃቡና፤ ንኣኻትኩምውን ኣዋልድና ውሰዱ። ምሳና ንበሩ፤ እኒሃ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ፤ ኣብኣ ተቐመጡ፤ ንገዱ፤ ርስትውን ትኹንኩም” በሎም። ሴኬምውን ነቦኣን ነሕዋታን “ኣብ ቅድሜኹም ደኣ ሞገስ እርከብ እምበር፥ ዝበልኩምኒ ኽህብ እየ፤ ገዝምን ውህብቶን ከም ድልየትኩም ኣብዚሕኹም ኣዝዙኒ። ጥራሕ ነታ ጓል ደኣ ሰበይተይ ክትከውን ሃቡኒ እምበር፥ ዝኣዘዝኩምኒ ኽህብ እየ” በሎም። ደቂ ያእቆብ ከዓ ሴኬም ንሓፍቶም ዲና ስለ ዘነወራ፥ ንእኡን ነቦኡ ኤሞርን ብተንኰል መለሱሎም። ከምዙይ ድማ በልዎም፦ “ሓፍትና ንዘይተገረዘ ሰብኣይ ክንህብ የነውረና እዩ እሞ፥ ነዝ ነገር እዙይ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ብምግራዝ ከማና እንተ ኾይንኩም ጥራሕ ኢና ሕራይ እንብለኩም፤ ሽዑ ኣጓላትና ንህበኩም፤ ኣጓላትኩም ከዓ ንወስድ፤ ምሳኻትኩም ንነብር፤ ሓደ ህዝቢ እውን ንኸውን። ሕራይ ኢልኩም እንተ ዘይተገሪዝኩም ግና፥ ጓልና ሒዝና ንኸይድ።” እዝ ዘረባዙይ ንኤሞርን ንሴኬም ወዱን ደስ ኣበሎም። እቲ ጐበዝ ድማ ንጓል ያእቆብ ፈትይዋ ስለ ዝነበረ፥ እዝ ነገር እዙይ ንምግባር ኣይደንጐየን። ኣብ እንዳ ኣቦኡ ኸዓ ኻብ ኵሎም ዝኸበረ ነበረ። ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ናብ ባይቶ ኸይዶም፥ ንሰብ እታ ኸተማኣቶም ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎም፦ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ምሳና ብሰላም እዮም ዝነብሩ፤ እዛ ምድሪ ድማ እኒሃ፥ ንኣኣቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ ይቀመጡን ይንገዱን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ምሳና ዝቕመጡ፥ ምሳና ድማ ሓደ ህዝቢ ክኾኑ ሕራይ ዝብሉና፥ ከምቲ ንሳቶም ግሩዛት ዝኾኑ፥ ንሕናውን ኵሉ ተባዕታይና እንተ ተገረዘ እዩ። ኵሉ ጥሪቶምን ገንዘቦምን እንስሳኦምንከ ናትናዶ ኣይኮነን? ጥራሕ ሕራይ ደኣ ንበሎም እምበር፥ ምሳና ኽነብሩ እዮም” ድማ በልዎም። እቶም ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ፥ ነቲ ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ዝበልዎ ሓሳብ ተቐበልዎ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ድማ ተገረዘ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽቕንዘዉ እንተለዉ፥ ክልተ ደቂ ያእቆብ፥ ኣሕዋት ዲና ስምኦንን ሌዊን፥ ሰሰይፎም ሒዞም እንተይተሓስበ፥ ነታ ኸተማ ሓደጋ ኣውደቑላ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኸዓ ቐተሉ። ንኤሞርን ንወዱ ሴኬምን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐቲሎም፥ ንሓፍቶም ዲና ኻብ ቤት ሴኬም ሒዞምዋ ወፁ። ሴኬም ንሓፍቶም ስለ ዘነወራ፥ ደቂ ያእቆብ ናብቲ እቶም ቅቱላት ዘለውዎ መፂኦም፥ ነታ ኸተማ ዘመትዋ። ኣባጊዖምን ኣእዱጎምን፥ ኣላሕሞምን፥ ኵሉ ኣብ ከተማ ዝነበረን ኣብ በረኻ ዝነበረን ድማ ወሰዱ። ኵሉ ጥሪታቶምን ኵሎም ህፃውንቶምን ኣንስቶምን ማረኹ፤ ኣብ ቤት ንዝተረኽበ ዅሉ ድማ ዘመቱ። ያእቆብ ከዓ ንስምኦንን ንሌዊን “በዞም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ከም ዝፅላእ ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምለይ። ኣነ ብቝፅሪ ውሑድ እየ፤ ንሳቶም ተኣኪቦም እንተ ወግኡኒ ኸዓ ኣነን ቤተይን ክንጠፍእ ኢና” በሎም። ንሳቶም ከዓ፥ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሓፍትና ኸም ኣመንዝራ ዝቘፅራ?” በሉ። ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎምን “ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፤ ንፁሃትውን ኩኑ፤ ክዳውንትኹም ድማ ለውጡ። ንዑናይ ናብ ቤቴል ንደይብ፤ ኣነ ኸዓ ኣብኣ ነቲ ብመዓልቲ መከራይ ዝሰምዐንን፥ ኣብ ዝኸድክዎ መንገዲ ምሳይ ንዝነበረ ንእግዚኣብሄር፥ መሰውኢ ኽሰርሕ እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎም ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ዅትሻታትን ንያእቆብ ሃብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ቀበሮ። ክጐዓዙ ኸዓ ጀመሩ፤ ኣብተን ኣብ ዙርያኣቶም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ዓብዪ ፍርሓት ወደቐን። ንደቂ ያእቆብ ከሳጕጎም ኢሉ ዝሰዓቦም ከዓ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ያእቆብን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሎዛ፥ ሕዚ ቤቴል ናብ እትበሃል መፁ፤ ኣብኣ ድማ መሰውኢ ሰርሐ። ካብ ሓዉ ኽሃድም እንተሎ እግዚኣብሄር ኣብኣ ስለ ዝተገልፀሉ፥ ነታ ቦታ “ኤል ቤቴል” ኢሉ ስም ኣውፅአላ። መጕዚት ርብቃ ዝነበረት ዲቦራ ድማ ሞተት፤ ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብዪ ኦም ድማ ተቐበረት። “ኦም ብኽያት” ኢሎም ከዓ ሰመይዎ። እግዚኣብሄር ድማ ያእቆብ ካብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ካብ ሶርያ ምስ ተመለሰ፥ መሊሱ ተገለፀሉ፤ ባረኾውን። ቀፂሉውን “ስምካ ያእቆብ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም እስራኤል እምበር ያእቆብ ኣይትበሃልን ኢኻ” ድማ በሎ። ስለዙይ እግዚኣብሄር “እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን፥ ህዝብን ማሕበር ኣህዛብን ካባኻ ኽወፁ እዮም። ነገስታትውን ካብ ሕቘኻ ኽወፁ እዮም። እዛ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ዝሃብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህባ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ኻብታ ምስ ያእቆብ ዝተዛረበላ ቦታ ንላዕሊ ዓረገ። ያእቆብ ድማ ኣብታ ምስ እግዚኣብሄር ዝተዘራረበላ ቦታ ብእምኒ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ኣቖመ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣፍሰሰ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኣፍሰሰ። ያእቆብ ከዓ ነታ እግዚኣብሄር ምስኡ ዝተዘራረበላ ቦታ፥ ቤቴል ኢሉ ስም ኣውፅአላ። ሽዑ ያእቆብን ስድራኡን ካብ ቤቴል ተልዓሉ። ንኤፍራታ ኽበፅሑ ቑሩብ መንገዲ ምስ ተረፎም፥ ራሄል ሕማም ሕርሲ ተትሓዘት፤ ፃዕሪ ኸዓ በርትዓ። ሕርሲ በርቲዑዋ ኽትፀዓር እንተላ ድማ እታ መሕረሲት “ሕዚ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ” በለታ። ክትመውት ኢላ፥ ነፍሳ ኽትወፅእ እንተላ ድማ ቤንኦኒ ራሄል ድማ ሞተት። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብታ ሕዚ ቤተልሔም እትበሃል ዘላ ተቐበረት። ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ኣቖመ፤ ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ሓወልቲ፥ መቓብር ራሄል እዩ። እስራኤል ከዓ፥ ካብኡ ተልዒሉ ድንኳኑ ኣብ መንፅር ግንቢ ጋዴን ተኸለ። ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ደቂ ልያ፦ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንያእቆብ፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን። ደቂ ራሄል፦ ዮሴፍ፥ ብንያም። ደቂ እታ ኣገልጋሊት ራሄል ባላ፦ ዳን፥ ንፍታሌም። ደቂ እታ ኣገልጋሊት ልያ ዘለፋ፦ ጋድ፥ ኣሴር። እዚኣቶም ኣብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ዝተወለዱ ደቂ ያእቆብ እዮም። ዕድመ ይስሓቅ ሚእትን ሰማንያን ዓመት ኮነ። ይስሓቅውን ነፍሱ ሃበ፤ ሞተውን፤ ኣሪጉ፥ ዕድመ ፀጊቡ ድማ ናብ ወገናቱ ተኣከበ። ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ከዓ ቐበርዎ። ኤዶም ናይ ዝተብሃለ ኤሳው ትውልዲ እዙይ እዩ፦ ኤሳው ካብ ኣጓላት ከነዓን ኣንስቲ ኣእተወ፤ ንሳተንውን፦ ዓዳ ጓል ኤሎን ኬጢያዊ፥ ኣህሊባማ ጓል ዓና ወዲ ፅብዖን ኤዊያዊ፥ ቤሴሞት ጓል እስማኤል ሓፍቲ ነባዮት ነበራ። ዓዳ ንኤሳው፥ ንኤሊፋዝ ወለደትሉ፤ ቤሴሞትውን ንራጉኤል ወለደት፤ ኣህሊባማ ንየዑስን ንያዕላምን ንቆሬን ወለደት። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝተወለዱ ደቂ ኤሳው እዮም። ኤሳው፥ ኣንስትን፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ደቁ፥ ኵሉ ስድራ ቤቱን ከፍቱን፥ ኵሉ እንስሳኡን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘጥረዮ ገንዘቡን ሒዙ፥ ካብ ያእቆብ ሓዉ ርሒቑ ናብ ካልእ ሃገር ኸደ። ጥሪቶም በዚሑ ስለ ዝነበረ ብሓደ ኽቕመጡ ኣይከኣሉን። ብዝሒ ኸፍቲ ስለ ዝነበሮም ድማ እታ ተቐሚጦምዋ ዝነበሩ ምድሪ ኽትኣኽሎም ኣይከኣለትን። ኤሳው ድማ፥ ኣብ እምባ ሴይር ተቐመጠ። ኤሳው ከዓ፥ ኤዶም እዩ። ናብቶም ኣብ እምባ ሴይር ዝነብሩ ኤዶማውያን ኣቦ ናይ ዝኾነ ኤሳው ትወልዲ ኸምዙይ እዩ፦ ኤሊፋዝ ወዲ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፥ ራጉኤል ወዲ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው ነበሩ። ደቂ ኤልፋዝ ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ቴማን፥ ኦማር፥ ስፎ፥ ጎቶም፥ ቄኔዝ ነበሩ። ቲምናዕ ድማ ዕቅብቱ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ ንኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ካብ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው ዝተወለዱ እዮም። ደቂ ራጉኤል ከዓ፦ ናሖት፥ ዛራ፥ ሳማ፥ ሚዛህ እዮም። እዚኣቶም ካብ ቤሴሞት ሰበይቲ ኤሳው ዝተወለዱ እዮም። ደቂ ኣህሊባማ ጓል ዓና ወዲ ፂብዖን ሰበይቲ ኤሳው፦ የዑስ፥ የዕላማ፥ ቆሬ እዮም። ሹመኛታት ደቂ ኤሳው፥ ደቂ ኤልፋዝ በዅሪ ወዱ ንኤሳው ድማ፥ ሹም ቴማን፥ ሹም ኦማር፥ ሹም ስፎ፥ ሹም ቄኔዝ፥ ሹም ቆሬ፥ ሹም ጎቶም፥ ሹም ኣማሌቅ እዮም። እዚኣቶም ሹመኛታት ኤልፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ዝነብሩ፥ ካብ ዓዳ ዝተወለዱ እዮም። ደቂ ራጉኤል ወዲ ኤሳው ድማ፦ ሹም ናሖት፥ ሹም ዛራ፥ ሹም ሳማ፥ ሹም ሚዛህ። እዚኣቶም ሹመኛታት ራጉኤል ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ዝነብሩ፥ ደቂ ቤሴሞት ሰበይቲ ኤሳው እዮም። ደቂ ኣህሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ፦ ሹም ዑስ፥ ሹም የዕላማ፥ ሹም ቆሬ እዮም። እዚኣቶም ካብ ኣህሊባማ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው ዝውለዱ ሹመኛታት እዮም። እዚኣቶም ደቂ ኤሳውን ሹመኛታቶምን እዚኣቶም እዮም፤ ንሱውን ኤዶም እዩ። ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ደቂ ሴይር ሖሪው ድማ፦ ሎጣን፥ ሶባል፥ ፅብኦን፥ ዓና፥ ዲሶን፥ ኤፅር፥ ዲሳን እዮም። እዚኣቶም ሹመኛታት ደቂ ሖሪው ደቂ ሶባል፥ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነብሩ እዮም። ደቂ ሎጣን፥ ሖሪን ሄማምን እዮም፤ ሎጣን ድማ ቲምናዕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ። ደቂ ሶባል፥ ዓልዋን፥ ማኔሓት፥ ኤባል፥ ስፎ፥ ኣውናም እዮም። ደቂ ፅብዖን፥ ኣያን ዓናን እዮም። ዓና ኣእዱግ ኣቦኡ ፅብዖን ኣብ ምድረ በዳ ኽጓሲ እንተሎ፥ ዓይንታት ፍሉሕ ማይ ዝረኸበ እዩ። ደቂ ዓና፥ ዲሶንን ኣህሊባማ ጓል ዓናን እዮም። ደቂ ዲሶን፥ ሔምዳንን ኤስባንን ይትራንን ክራንን እዮም። ደቂ ኤፅር፥ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን እዮም። ደቂ ዲሳን፥ ዑፅን ኣራንን እዮም። ሹመኛታት ሖሪው ድማ፦ ሹም ሎጣን፥ ሹም ሶባል፥ ሹም ፅብዖን፥ ሹም ዓና፥ ሹም ዲሶን፥ ሹም ኤፅር፥ ሹም ዲሳን እዮም። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ሴይር ዘለዉ ሹመኛታት ሖሪው እዮም። ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ገና እንተይነገሰ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ዝነገሱ ነገስታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ባላቅ ወዲ ቢዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፤ ከተማኡ ኸዓ ዲንሃባ ትበሃል ነበረት። ባላቅ ምስ ሞተ፥ ኢዮባብ ወዲ ዛራሕ በዓል ባሶራ ተኪኡ ነገሰ። ኢዮባብ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ሑሳም በዓል ሃገር ቴማኒ፥ ተኪኡ ነገሰ። ሑሳም ምስ ሞተ ድማ፥ ሃዳድ ወዲ በዳድ፥ እቲ ንሰብ ምድያም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ዝሰዓረ፥ ተኪኡ ነገሰ፤ ከተማኡ ድማ ዓዊት ትበሃል ነበረት። ሃዳድ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ሳምላ በዓል መስሬቃ፥ ተኪኡ ነገሰ። ሳምላ ምስ ሞተ፥ ሳኦል በዓል እታ ጥቓ ሩባ ዘላ ርሖቦት፥ ተኪኡ ነገሰ። ሳኦል ምስ ሞተ፥ በዓልሓናን ወዲ ኣክቦር ተኪኡ ነገሰ። በዓልሓናን ወዲ ኣክቦር ምስ ሞተ፥ ሃዳር ተኪኡ ነገሰ። ከተማኡ ድማ ፋዑ ትበሃል ነበረት። ሰበይቱ ኸዓ ሜሄጣብኤል ትበሃል ነበረት። ንሳ ጓል መጥሬድ ወዲ ሜዛሃብ እያ። ሹም ቲምናዕ፥ ሹም ዓልዋ፥ ሹም የቴት፥ ሹም ኣህሊባማ፥ ሹም ኤላ፥ ሹም ፊኖን፥ ሹም ቄኔዝ፥ ሹም ቴማን፥ ሹም ሚብሳር፥ እዚኣቶም ከከም ርስቶም ኣብ ኣዓዶም ዝነብሩ ሹመኛታት ኤዶም እዮም። ኤሳው ኣቦ ኤዶማውያን እዩ። ያእቆብ ኣቦኡ ሰደተኛ ኾይኑ ይነብረሉ ኣብ ዝነበረ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ተቐመጠ። ትውልዲ ያእቆብ ከምዙይ እዩ፦ ዮሴፍ ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት መንእሰይ ምስ ኮነ፥ ካብ ኣንስቲ ኣቦኡ ኻብ ባላን ዘለፋን ምስ ዝተወለዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቦኡ ኣባጊዕን ኣጣልን ይሕሉ ነበረ። ንሱ ብዛዕባ ሕማቕ ተግባር ኣሕዋቱ ነቦኡ የምፅአሉ ነበረ። እስራኤል ንዮሴፍ ኣብ እዋን እርግናኡ ስለ ዝወለዶ፥ ካብ ኵሎም ደቁ ኣብሊፁ ይፈትዎ ነበረ፤ ብሕብሪ ቐለማት ዘጌፀ ቐሚሽውን ከደኖ። እቶም ኣሕዋቱ፥ ኣቦኣቶም ሕልፊ ዅላቶም ከም ዝፈትዎ ሪኦም ፀልእዎ፤ ብሕውነት ክዛረብዎ ድማ ኣይደለዩን። ዮሴፍ ከዓ ሕልሚ ሓለመ፥ ነሕዋቱ ምስ ነገሮም ድማ የመና ፀልእዎ። ዮሴፍ ድማ “ዝሓለምክዎ ሕልሚ ኽነግረኩም ስምዑ” በሎም፦ “ንሕና ኣብ ማእኸል ግራት እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። ሽዑ እንዳእተይ ተሲኣ ቀጥ ኢላ ደው በለት። እንዳዕትታትኩም ከዓ ንእንዳዕተይ ከቢበን ሰገዳላ።” ሽዑ ኣሕዋቱ “እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ ኢኻ? ብሓቂዶኸ ኽትገዝአና ኢኻ?” በልዎ። መሊሶም ድማ፥ ብሕልምታቱን ብዘረባኡን የመና ፀልእዎ። ዮሴፍ ከዓ ኻልእ ሕልሚ ሓለመ፤ ነሕዋቱውን “ካልእ ሕልሚ ሓሊመ፤ እንሆ ድማ ፀሓይን ወርሕን ዓሰርተ ሓደ ኸዋኽብትን እንትሰግዱለይ ረአኹ” ኢሉ ነገሮም። ከምቲ ነሕዋቱ ዝነገሮም ነቦኡ ድማ ነገሮ፤ ኣቦኡ ኸዓ “እዝ ዝሓለምካዮ እንታይ ዝሕልሙ እዩ? ብሓቂዶ ኣነን እኖኻን ኣሕዋትካን መፂእና፥ ኣብ ምድሪ ተደፊእና ኽንሰግደልካ ኢና?” ኢሉ ገሰፆ። ኣሕዋቱ ኸዓ ቐንኡሉ፤ ኣቦኡ ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልቡ ይዓቝሮ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ጥሪት ኣቦኣቶም ክጓስዩ ናብ ሴኬም ከይዶም ነበሩ። እስራኤል ከዓ ንዮሴፍ “ኣሕዋትካ ኣብ ሴኬም ይጓስዩዶ ኣይኮኑን? ሕዚ ኸዓ ነዓ፤ ናብኣቶም ክልእኸካ” በሎ። ዮሴፍ ድማ “እኒሀኹ” በሎ። ንሱ ኸዓ ናብ ሴኬም በፅሐ። ኣብቲ በረኻ ኸርተት ክብል እንተሎ ድማ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ፤ ንሱ ኸዓ “እንታይ ትደሊ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ዮሴፍ ድማ “ኣሕዋተይ እደሊ ኣለኹ። ኣበይ ይጓስዩ ኸም ዘለዉ እንዶ በይዛኻ ንገረኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ “ካብዙይስ ተልዒሎም እዮም፤ ‘ናብ ዶታይን ንኺድ’ እንትብሉ ሰሚዐዮም ነይረ” በሎ። ዮሴፍ ድማ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፥ ኣብ ዶታይን ረኸቦም። ኣሕዋት ዮሴፍ ካብ ርሑቕ ረአይዎ፤ ገና ናብኣቶም ከይቀረበ እንተሎ ኸዓ፥ ክቐትልዎ ተማኸሩ። ንስንሳቶም ድማ “እንሆ እቲ ሓላሚ ይመፅእ ኣሎ፤ ንዑ ንቕተሎ። ካብዘን ጐዳጕዲ ኣብ ሓዲአን ንደርብዮ እሞ ‘ክፉእ ኣራዊት በሊዕዎ’ ንበል። እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና” ተበሃሃሉ። ሮቤል ግና እዙይ ምስ ሰምዐ ኸድሕኖ ኢሉ “ኣይንቕተሎ፥ ብኢድኩም እኳ ኣይትንክእዎ፤ ኣብዝ በረኻ እዙይ ናብ ዘሎ ጕድጓድ ደርቢይዎ እምበር ደምስ ኣይተፍስሱ” በሎም። ሮቤል ከምዙይ ዝበለ፥ ካብ ኢዶም ኣድሒኑ ናብ ኣቦኡ ኽመልሶ ኢሉ እዩ። ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ምስ በፅሐ፥ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ነዊሕ በዓል ብዙሕ ሕብሪ ፅቡቕ ቀምሹ፥ ቀንጠጥዎ። ሒዞም ድማ ናብ ጕድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጕድጓድ ማይ ዘይብሉ ንቑፅ ነበረ። እንጀራ ኽበልዑ ምስ ተቐመጡ፥ እስማኤላውያን ነጋዶ ኻብ ገለዓድ ክመፁ እንተለዉ ረአዩ። ንሳቶም ኣብ ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ፅዒኖም ናብ ግብፂ ዝወርዱ ነበሩ። ይሁዳ ድማ ነሕዋቱ “ሓውና ቐቲልና፥ ደሙ እንተ ሓባእናስ፥ እንታይ ክዓብሰልና እዩ? ንዑ ግዳ ነዞም እስማኤላውያን ንሽጦ፤ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ፥ ኣይንቕተሎ” በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ብዘረባኡ ተሰማምዑ። እቶም ነጋዶ ሰብ ምድያም ክሓልፉ እንተለዉ፥ ንዮሴፍ ሒዞም ካብ ጕድጓድ ኣውፅእዎ፤ ብዕስራ ብሩርውን ንእስማኤላውያን ሸጥዎ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ግብፂ ወሰድዎ። ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ተመለሰ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ብጓሂ ኽዳኑ ቐደደ። ናብ ኣሕዋቱ ተመሊሱ ድማ፥ “እቲ ቘልዓ የለን፤ ደጊም ናበይ እየ ዝኸዶ?” በለ። ንሳቶም ከዓ ወጠጦ ሓሪዶም ንቐምሽ ዮሴፍ ኣብ ደም ኣለኹዎ። ነቲ ቐምሽ ናብ ኣቦኣቶም ሰዲዶም “እዙይ ረኺብና እሞ ቐምሽ ወድኻ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮይኑ እስኪ ረአዮ” ድማ በልዎ። ያእቆብ ከዓ ነቲ ቐምሽ ዮሴፍ ኣለልዩ “እዙይ ናይ ወደይ እዩ፤ ክፉእ ኣራዊት በሊዕዎ። ዮሴፍ ብርግፅ ተበሊዑ እዩ” በለ። ያእቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ፥ ኣብ ሕቘኡ ወጮ ተዓጠቐ፤ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ በኸየ። ኵሎም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ድማ ኸፀናንዕዎ መፁ። ንሱ ግና ምፅንናዕ ኣበየ፤ “ብሓዘን ናብ ወደይ፥ ናብ መቓብር ክወርድ እየ” በለ። ስለዙይ ኣቦኡ ብዛዕባኡ በኸየ። ኣብ ግብፂ ድማ፥ እቶም ምድያማውያን ናብ ሓደ ኻብቶም ናይ ፈርዖን ኣዘዝቲ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝኾነ፥ ናብ ጲጥፋራ ሸጥዎ። በቲ ወርሓት እቱይ ከዓ፥ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ፥ ምስ ሓደ ኤራስ ዝስሙ ኣዶሎማዊ ሰብ ክቕመጥ ከደ። ኣብኡ ድማ ጓል ሓደ ሴዋ ዝስሙ ከነዓናዊ ሰብኣይ ረአየ፤ ወሰዳሞ ናብኣ ኣተወ። ንሳ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ ዔር ኢላ ድማ ሰመየቶ። ደጊማ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ ኣውናን ኢላ ድማ ሰመየቶ። መሊሳ ኸዓ ወዲ ወለደት፤ ሴሎም ኢላውን ሰመየቶ። ንእኡ ኽትወልድ እንተላ፥ ክዚብ ኣብ ዝበሃል ሃገር ነበረት። ይሁዳ ድማ ንበዅሪ ወዱ ንዔር፥ ትእማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምፅአሉ። በዅሪ ይሁዳ ዔር ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ቐሰፎ። ሽዑ ይሁዳ ንኣውናን “ኪድ እሞ ንሰበይቲ ሓውካ ውረሳ፤ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቑመሉ” በሎ። ኣውናን ግና እቲ ሓድጊ ንእኡ ኸም ዘይኸውን ፈለጠ። ሽዑ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ኽኣቱ እንተሎ፥ ንሓዉ ሓድጊ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ ነቲ ዘርኡ ናብ ምድሪ የፍስሶ ነበረ። እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮነ እሞ፥ ንእኡውን ቀሰፎ። ሽዑ ይሁዳ፥ ንሴሎም ወዱ ኸም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ ንትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ “ወደይ ሴሎም ክሳዕ ዝዓቢ ኺዲ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ትእማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት። ድሕሪ ብዙሕ እዋን ድማ ጓል ሴዋ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ሓዘኑ ምስ ወድአ ምስ ፈታዊኡ ኤራስ ኣዶላማዊ ናብቶም ኣባጊዑ ዝቐርፁ ዝነበሩ ሰባት ናብ ተምና ደየበ። ንትእማር ድማ “እንሆ ድማ ሓሙኺ ይሁዳ፥ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ናብ ተምና ይድይብ ኣሎ” ኢሎም ነገርዋ። ንሳ ኸዓ፥ ሴሎም ዓብዩ እንተሎስ፥ ሰበይቱ ኽትከውን ከም ዘይተውሃበት ሪኣ ነበረት እሞ፥ ነቲ ኽዳን መበለትነታ ኣንቢራ፥ ብሻሽ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተምና ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት። ይሁዳ ምስ ረአያ ድማ ገፃ ሸፊና ስለ ዝነበረት ኣመንዝራ መሰለቶ። ንሱ ኸዓ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ስለ ዘይፈለጠ፥ ናብቲ ንሳ ዝተቐመጠትሉ ወሰን መንገዲ ኣግሊሱ “በይዛኺ ናባኺ ኽኣቱ ፍቐድለይ?” በላ። ንሳ ድማ “ናባይ ክትኣቱስ እንታይ ትህበኒ?” በለቶ። “ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ ክሰደልኪ እየ” በላ። ንሳ ኸዓ “ክሳዕ እትሰደለይከ እንታይ ትሕጃ ትህበኒ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “እንታይ ትሕጃ እሞ ኽህበኪ?” በላ። “ቀለበትካን ኣምባርካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን” በለቶ። ሂብዋ ኸዓ ናብኣ ኣተወ፤ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት። ተሲኣ ኸዓ ኸደት፤ መጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ፥ ከም ቀደማ ኽዳን መበለትነታ ተኸደነት። ይሁዳ ድማ ነቲ ዘትሓዞ፥ ካብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድ ኢሉ፥ ብኢድ እቲ ፈታዊኡ በዓል ኣዱላም ጥቦት ጤል ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን። ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት “እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መንገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ ኣላ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ ኣመንዝራ ኣይነበረትን” ኢሎም መለሱሉ። ናብ ይሁዳ ተመሊሱ ድማ “ኣይረኸብክዋን፥ እቶም ኣብታ ቦታ ዝነብሩ ኸዓ ‘ኣብዙይስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን’ ኢሎምኒ” በሎ። ይሁዳ ድማ “ጥቦት ሰዲደላ ነይረ፥ ንስኻ ኸዓ ኣይረኸብካያን እሞ፥ ከይንዋረድስ ነቲ ዘትሓዝክዎ ትሕጃ ትውሰዶ” በለ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ “ትእማር ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፥ እንሆ ኸዓ ብዝሙት ጠኒሳ” ኢሎም ንይሁዳ ነገርዎ። ይሁዳ ድማ “ኣውፅእዋ፥ ብሓዊ ኣንዲድኩም ከዓ ቕተልዋ” ኢሉ ኣዘዘ። ምስ ኣውፅእዋ፥ ናብ ሓሙኣ ልኢኻ “እዝ ቐለቤት እዙይን፥ እዝ ኣምባር እዙይን፥ እዛ በትሪ እዚኣን፥ ናይ መን ከም ዝኾና እስኪ በይዛኻ ኣለልየን። ኣነ ኻብ ዋና እዘን ኣቑሑት እዚኣተን እየ ጠኒሰ ዘለኹሞ” በለቶ። ይሁዳ ኸዓ ኣቑሑቱ ኣለልዩ፥ “ሓቃ እያ፤ ኣነ እየ ዝተጋጌኹ፤ ንሴሎም ወደይ ክህባ ይግብአኒ ነይሩ” በለ። ብድሕሪኡ ግና ናብኣ ኣይኣተወን። ጊዜ ሕርሳ ምስ በፅሐ፥ እንሆ ኣብ ማህፀና ማንታ ደቂ ነበሩ። ክትወልድ እንተላ፥ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውፅአ፥ እታ መሕረሲት ከዓ “ቅድም ዝወፀ እዙይ እዩ” ኢላ ቐይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ። እንተ ኾነ ንሱ ኢዱ ንድሕሪት መለሰ፥ ሓዉ ኸዓ ቕድም ተወለደ። ሽዑ እታ መሕረሲት “ከምዙይ ጌርካ እምበኣር ጥሒስካ ወፂእኻ” በለት። ፋሬስ ብድሕሪኡ ኸዓ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ተወለደ። ዛራ እቶም እስማኤላውያን ንዮሴፍ ናብ ግብፂ ኣውረድዎ። ኣዛዚ ቤት ፈርዖን፥ ጲጥፋራ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ግብፃዊ ሰብኣይ ድማ፥ ካብ ኢድ እቶም ናብ ግብፂ ዘውረድዎ እስማኤላውያን ዓደጎ። እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ስራሑ ዝቐንዐሉ ሰብ ኮነ። ኣብ ቤት እቲ ግብፃዊ ጐይታኡ ድማ ይነብር ነበረ። ጐይታኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገብሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ከም ዘቕንዐሉን ረአየ። ዮሴፍ ከዓ ኣብ ቅድሚ ጲጥፋራ ሞገስ ረኸበ፤ ኣገልጋሊኡውን ኮነ። ስለዙይ ኣዛዚ ገዛኡ ገበሮ፤ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢዱ ኣረከቦ። ኣብ ገዛኡን ኣብ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ዝሸሞ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንገዛ እቲ ግብፃዊ ባረኾ። ኣብ ገዛን ኣብ በረኻን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሄር ነበረ። ኵሉ ሃብቱ ኸዓ ናብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ። ብዘይ እታ ዝበልዓ እንጀራ ብኻልእ ኣይግደስን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ቑመናኡን መልክዑን ፅቡቕ ነበረ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ፥ ሰበይቲ ጐይታኡ ንዮሴፍ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ፥ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሱ ድማ፥ ንሰበይቲ ጐይታኡ “እንሆ፥ ጐይታይ ኣብ ገዛኡ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን፥ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ። ኣብዛ ገዛ እዚኣ ኻባይ ዝስልጥን የለን፤ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፥ ብዘይ ንኣኺ ኻልእ ዝኸልከለኒ ነገር የለን። ከመይ ኢለ ድኣ እዝ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር? ከመይ ኢለኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክገብር?” ኢሉ ኣበያ። ኵልሻዕ ከዓ ንዮሴፍ ከምዙይ እናበለት ተትክሮ ነበረት። ዮሴፍ ግና ምስኣ ኽድቅስ ኮነ ኣብ ጥቓኣ ኽቐርብ ኣይደልን ነበረ። ኮነ ድማ፥ ሓደ መዓልቲ ስራሑ ኽሰርሕ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ሽዑ ኣብታ ገዛ ካብ ቤተ ሰብ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ሽዑ ብኽዳኑ ኣጥቢቓ ሒዛ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሱ ግና ኽዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉላ፥ ሃዲሙ ናብ ደገ ወፀ። ንሳ ድማ ኽዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ፥ ንደገ ከም ዝሃደመ ምስ ረአየት፥ ነገልገልታ ናብኣ ፀዊዓ “ረአዩ፥ እቲ ዘምፅኦ ዕብራዊ ሰብኣይ ኣዋሪዱና፤ ንሱ ምሳይ ክድቅስ ናባይ ኣተወ፤ ኣነ ግና ዓው ኢለ ኣእዌኹ። ቃለይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእወኹ ምስ ሰምዐ ድማ፥ ክዳኑ ሓዲጉ ሃዲሙ ንደገ ወፀ” ኢላ ነገረቶም። ነቲ ኽዳኑ ድማ ጐይታኡ ናብ ገዛኡ ኽሳዕ ዝመፅእ ምስኣ ሒዛቶ ፀንሐት። ንሳ ድማ፦ “እቲ ዘምፃእኻልና ዕብራዊ ባርያ፥ ከዋርደኒ ኢሉ ናብቲ ዘለኽዎ ኣተወ። ቃለይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእዌኹ ግና፥ ክዳኑ ኣብ ኢደይ ሓዲጉለይ ንደገ ሃደመ” በለቶ። ጐይታ ዮሴፍ ከዓ፥ ሰበይቱ “ባርያኻ ኸምዙይ ገይሩኒ” ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ምስ ሰምዐ፥ ብቝጥዓ ነደደ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ ግና፥ እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ፤ ምሕረቱውን ኣብዝሐሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ሞገስ ሃቦ። እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት ኵሎም ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣብኡ ዝግበርውን ስልጣን ሃቦ። እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዮሴፍ ዝነበረ ሓደ ነገር እኳ ኣይሓልን ነበረ፤ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር የቃንዐሉ ነበረ። ድሕሪዙይ ናይ ግብፂ ንጉስ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን፥ ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን ንጐይታኦም ንጉስ ግብፂ በደሉ። ፈርዖን ድማ ብኽልቲኦም ሹመኛታቱ ተቘጥዐ። ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ፥ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት፥ ክእሰሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም። እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ንዮሴፍ ኣረከቦም፥ ንሱውን የገልግሎም ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ንብዙሕ መዓልቲ ፀንሑ። እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ፥ ናይ ንጉስ ግብፂ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን፥ ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝትርጕሙ ሕልሚ ሓለሙ። ዮሴፍ ንግሆ ናብኣቶም ምስ ኣተወ፥ እንሆ ተኪዞም ረአዮም። ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሹመኛታት ፈርዖን፥ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሎሚ ኣብ ገፅኩም ሓዘን ዝረአ ዘሎ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ሕልሚ ሓሊምናስ ዝፈትሐልና ስኢንና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ “ምፍታሕ ሕልሚ እግዚኣብሄር ንዝሃቦዶ ኣይኮነን? እስኪ ሕልምኹም ንገሩኒ?” በሎም። እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ኸዓ ንዮሴፍ፦ “እንሆ ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኒ ረአኹ። ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨናፍር ነበረ፤ ምስ ጠጥዐ ኸዓ ዓምበበ፤ እቲ ዘለላውን ኣንጠልጠለ፤ ፍረ እቲ ዘለላ ድማ በሰለ። ፅዋዕ ፈርዖን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፤ ነቲ ዘቢብ ወሲደ ናብ ፅዋዕ ፈርዖን ፀመቝክዎ፤ ነታ ፅዋዕውን ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ” ኢሉ ሕልሙ ነገሮ። ዮሴፍ ከዓ “ትርጕሙ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ሰለስተ ጨንፈር ሰለስተ መዓልቲ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ክፈትሐካ እዩ፤ ናብ ናይ ቀደም ሽመትካውን ክመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ እንተለኻ ትገብሮ ዝነበርካ ኸዓ፥ ንፈርዖን እታ ፅዋዑ ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ። ምስ ቀንዐካ ድማ ነኣይ ዘክረኒ፤ በይዛኻ ምሕረት ግበረለይ፤ ንፈርዖን ከዓ ንገረለይ እሞ፥ ካብዛ ቤት ማእሰርቲ እዚኣ ኣውፅአኒ። ኣነ ኻብ ምድሪ ዕብራውያን ሰሪቖም ዘምፅኡኒ እየ፤ ኣብዝ ቤት ማእሰርቲ ዘእቱ በደል ድማ ኣይገበርኩን” በሎ። እቲ ሓለቓ ኣሰናዳእቲ ምግቢ ኸዓ ፅቡቕ ከም ዝፈትሐሉ ምስ ረአየ፥ ንዮሴፍ ኣነ ድማ ብሕልመይ “እንሆ ፃዕዳ እንጀራ ዝሓዘ ሰለስተ መሶብ ኣብ ርእሰይ ነበረ። ኣብቲ ላዕለዋይ መሶብ ከዓ ኻብቲ ፈርዖን ዝበልዖ ዅሉ ዓይነት ምግቢ ዝተዳለወ እንጀራ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዝነበረ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ይበልዓ ነበራ” በሎ። ዮሴፍ ከዓ “ትርጕሙ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ሰለስተ መሶብ ሰለስተ መዓልቲ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ካብ ማእሰርቲ ኸውፅአካ፥ ርእስኻ ኽቘርፀካ፥ ንስጋኻ ድማ ኣብ ዕንፀይቲ ኸንጠልጥሎ እዩ፤ ስጋኻውን ኣዕዋፍ ክበልዓኦ እየን” ኢሉ ፈትሐሉ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፥ ንፈርዖን መዓልቲ ልደቱ ነበረ፤ ንዅሎም መኳንንቱ ኸዓ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ንሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ንሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን፥ ፈቲሑ ናብ ማእኸል መኳንንቱ ኣምፅኦም። ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ፥ ናብ ናይ ቀደም ሽመቱ መለሶ። ንሱ ድማ ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ሃቦ። ነቲ ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግቢ ግና ሰቐሎ፤ ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሐሎምውን ኮነ። እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር ኣይዘከሮን። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ ፈርዖን ሕልሚ ሓለመ፤ ብሕልሙ ኸዓ ኣብ ወሰን ሩባ ደው ኢሉ ነበረ። እንሆ ድማ፥ ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብቲ ሰውሒ ሳዕሪ ኽበልዓ ረአየ። ደድሕሪአን ድማ፥ ካልኦት ሸውዓተ ትርኢተን ዝሓመቐ፥ ስጋአን ዝዓበረ ኣላሕም ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት፥ ኣብ ወሰን ሩባ ደው በላ። እተን ትርኢተን ዝሓመቐ፥ ስጋአን ዝዓበረ ኣላሕም፥ ነተን ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም ወሓጣአን፤ ፈርዖን ድማ ተበራበረ። ተመሊሱ ኸዓ ደቀሰ፤ ንኻልኣይ ጊዜውን ሕልሚ ሓለመ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሸውዓተ ፍሩያትን ብፁሓትን ጉምቦታት ሸዊት ወፃ። ድሕሪአን ድማ፥ እንሆ ሸውዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ጉምቦታት ሸዊት ወፃ። እተን ቀጠንቲ ጉምቦ ሸዊት ድማ፥ ነተን ሸውዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ጉምቦ ሸዊት ወሓጣአን። ፈርዖን ከዓ ተበራበረ እሞ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ። ምስ ወግሐ፥ መንፈሱ ተጨነቐ፤ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባንን ፈላጣት ግብፂን ፀውዖም። ሕልሙ ኸዓ ነገሮም፤ ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ንፈርዖን፦ “ኣነ ሎሚ በደለይ ዘከርኩ። ኦ ፈርዖን! ብሓሻኽርካ ብኣይን ብሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን ተቘጢዕኻ ኣብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣእሰርካና። ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ፥ በበይኑ ዝትርጕሙ ሕልሚ ሓለምና። ኣብኡ ድማ ኣገልጋሊ ናይቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝኾነ ዕብራዊ መንእሰይ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፤ ንሱ ኸዓ ሕልምታትና ፈትሐልና፤ ንነፍሲ ወከፍና ድማ ኸከም ሕልምና ነገረና። ከምቲ ዝፈትሐልና ድማ ኾነ፤ ንኣይ ናብ ናይ ቀደም ሽመተይ መለስካኒ፤ ነቱይ ከዓ ሰቐልካዮ” በሎ። ሽዑ ፈርዖን ልኢኹ ንዮሴፍ ፀውዖ፤ ቀልጢፎም ድማ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ርእሱ ላፅዮም ክዳኑ ለዊጦም ድማ፥ ናብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረብዎ። ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “ሕልሚ ሓሊመ፥ ዝፈትሐለይ ስኢነ፤ ንስኻ ግና ሕልሚ ኸም እትፈትሕ ሰሚዐ ኣለኹ” በሎ። ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን “እዙይ ካባይ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሄር ንፈርዖን ብሰናይ ክምልሰሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ፈርዖን ድማ፦ “እንሆ፥ ኣነ ብሕልመይ ኣብ ወሰን ሩባ፥ ደው ኢለ ነበርኩ። ሸውዓተ ስቡሓትን ፅቡቓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ሩባ ወፂአን፥ ሳዕሪ ይበልዓ ነበራ። ደድሕሪአን ካልኦት ሸውዓተ፥ ዝዓበራን ትርኢተንውን የመና ዝሓመቓን ኣላሕም ወፃ። ከምኣተን ዝኸፍአን ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ እኳ ኣይረአኹን። እተን ዝዓበራን ዝሓመቓን ኣላሕም ድማ ነተን ሸውዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ከፍቲ ወሓጣአን፤ ምስ ወሓጣአን ከዓ፥ ኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኣይተፈልጠን፤ ትርኢተን ከም ቀደመን ዕባሩ ነበራ። ድሕሪዙይ ተበራበርኩ። ከምኡውን ብሕልመይ ሸውዓተ ፍሩያትን ፅቡቓትን ጉምቦታት ሸዊት፥ ካብ ሓንቲ ብርዒ እንትወፃ ረአኹ። ደድሕሪአን ድማ እንሆ፥ ዝመንመናን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን፥ ሸውዓተ ጉምቦታት ሸዊት ወፃ። እተን ቀጠንቲ ጉምቦታት ሸዊት ድማ፥ ነተን ሸውዓተ ፅቡቓት ጉምቦታት ሸዊት ወሓጣአን። እዙይ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎም፥ ዝፈትሐለይ ግና ኣይረኸብኩን” በሎ። ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ “ሕልሚ ፈርዖን ሓደ እዩ። እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ ንፈርዖን ነጊርዎ ኣሎ። እተን ሸውዓተ ፅቡቓት ከፍቲ፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን፤ እተን ሸውዓተ ፅቡቓት ጉምቦታት ሸዊትውን፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን፤ ሕልሙ ሓደ እዩ። እተን ደድሕሪአን ዝወፃ ሸውዓተ ዕባሩን ሕማቓት ከፍትን ከዓ፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን። እተን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ሸውዓተ ጉምቦታት ሸዊት ድማ፥ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት እየን። እቲ ንፈርዖን ዝነገርኩዎ እዙይ እዩ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ እዩ ንፈርዖን ዘርአዮ። እንሆ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ብዙሕ ፅጋብ ዝኾነለን ሸውዓተ ዓመታት ክመፃ እየን። ብድሕሪአን ከዓ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት ክመፃ እየን። ብኣኣተን እቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበረ ዅሉ ፅጋብ ክርሳዕ እዩ። እታ ምድሪ ኸዓ ብጥሜት ክትጕዳእ እያ። ካብቲ ደሓር ዝኸውን ጥሜት ዝተልዓለ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ ፅጋብ ክርሳዕ እዩ። እቲ ጥሜት ከዓ የመና ኽብርትዕ እዩ። እቲ ንኻልኣይ ጊዜ ደጊምካ ምሕላምካ፥ እቲ ነገር ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘርፀ እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ ቐልጢፉ ኽገብሮ እዩ። “ሕዚ ድማ፥ ኦ ፈርዖን፥ መስተውዓልን ፈላጥን ሰብ ድለ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ሹሞ። ከምኡ ኸዓ በዘን ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ፥ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብፂ ሓምሻይ ኣፍ ዝእክቡ ሹመኛታት በብምድሩ ሹም። ናይዘን ዝመፃ ዘለዋ ዓመታት ፅጋብ፥ ዝብላዕ ዝኾነ ዅሉ ይኣክቡ። ነቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ክኸውን፥ ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርዖን ኣብተን ከተማታት ይኣክብዎን ይሓልውዎን። እቲ እኽሊ ድማ፥ በተን ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝመፃ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት፥ ነታ ሃገር ምእንቲ ክኸውን ይተዓቘር። እታ ምድሪ ኸዓ ብጥሜት ኣይትጥቃዕን እያ” በሎ። ፈርዖንን ሹመኛታቱን እዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ፅቡቕ ኮይኑ ረኸብዎ። ፈርዖን ከዓ ንሹመኛታቱ፦ “ከምዙይ ዝበለ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብዶ ኽንረክብ ኢና?” በሎም። ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ገሊፁልካ እዩሞ፥ ከማኻ ዝበለ መስተውዓልን ፈላጥን ሰብ የለን። ስለዙይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስተይ ሸይመካ ኣለኹ። ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፤ ኣነ ብዙፋነይ ጥራሕ እየ ኻባኻ ዝዓቢ” በሎ። መሊሱ ፈርዖን ንዮሴፍ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብፂ ሸይመካ ኣለኹ” በሎ። ቀለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ድማ፥ ንዮሴፍ ኣብ ኢዱ ገበረሉ፤ ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽ ከደኖ፤ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ገበረሉ። ኣብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣቐመጦ፤ እቶም ኣዋጅ ነጋሮውን ዓው ኢሎም “ንዮሴፍ ስገዱ” እናበሉ ቐቅድሚኡ ይኸዱ ነበሩ። ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “ኣነ ፈርዖን እየ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይ እግሩ ዘንቀሳቕስ ኣይሃሉ” በሎ። ፈርዖን ከዓ ንዮሴፍ “ፀፍናት ፐዕናሕ” ዝብል ስም ኣውፅአሉ። ንኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት ድማ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ወፀ። ዮሴፍ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ምግልጋል ክጅምር እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ካብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ወፂኡ፥ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ዞረ። እታ ምድሪ ድማ በተን ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ፥ ብዙሕ ፍርያት ሃበት። ዮሴፍ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሸውዓተ ዓመታት እኽሊ፥ ኣብ ከተማታት ኣከቦ፤ ናይቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ገራሁ እኽሊውን ነናብ ከተማኡ ኣከቦ። ዮሴፍ፥ ምፅብፃቡ ኽሳዕ ዝስእን ብዙሕ እኽሊ፥ ኣከበ። እቲ ዝኣከቦ እኽሊ ኸም ሑፃ ባሕሪ የመና ብዙሕ ነበረ። ዓመት ጥሜት ገና ኸይበፅሐ እንተሎ፥ ኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት፥ ንዮሴፍ ክልተ ኣወዳት ወለደትሉ። ዮሴፍ ድማ፥ “ኣምላኽ፥ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ከም ዝርስዕ ገይሩኒ እዩ” እንትብል፥ ንበዅሪ ወዱ “ምናሴ” ነቲ ኻልኣይ ድማ፥ “እግዚኣብሄር መከራ ኣብ ዝተቐበልኩላ ምድሪ ኣፍረየኒ ኢሉ ኤፍሬም” እተን ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበራ ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ ከዓ ሓለፋ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፥ እተን ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት ጀመራ። ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ጥሜት ኮነ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ግና እኽሊ ነበረ። ኵላ ምድሪ ግብፂ ምስ ጠመየት ድማ፥ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እኽሊ ናብ ፈርዖን ጠርዐ። ንሱ ኸዓ ንዅሎም ግብፃውያን “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በሎም። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኮነ። እቲ ጥሜት ኣብ ምድሪ ግብፂ እናበርትዐ ስለ ዝኸደ፥ ዮሴፍ ኵሉ ማዕኸን ከፊቱ፥ ንግብፃውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ዓለም እናበርትዐ ስለ ዝኸደ፥ ካብ ዮሴፍ እኽሊ ኽሽምቱ ኻብ ኵለን ሃገራት፥ ናብ ግብፂ ይመፁ ነበሩ። ያእቆብ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰምዐ፤ ንደቁ ድማ “ስለ ምንታይ ንስንሳትኩም ትጠማመቱ? እንሆ፥ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስለዙይ ብጥሜት ከይንመውት ናብ ግብፂ ወሪድኩም እኽሊ ሸምቱልና” በሎም። እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ከዓ፥ እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ወረዱ። ያእቆብ ግና ንብንያም ሓው ዮሴፍ፥ ጕድኣት ከይበፅሖ ኢሉ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን። ኣብ ምድሪ ከነዓን ጥሜት ስለ ዝነበረ፥ ደቂ ያእቆብ ምስ ካልኦት ኮይኖም እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ኸዱ። ነታ ምድሪ ዝእዝዛ ዮሴፍ ነበረ፤ ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድሪ እኽሊ ዝሸይጥ ድማ ንሱ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መፂኦም፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ምድሪ ብገፆም ተደፊኦም ሰገዱሉ። ዮሴፍ ነሕዋቱ ኣለለዮም፤ ንኣኣቶም ግና ጓና መሲሉ ቐረቦም፤ ኣትሪሩውን ተዛረቦም። “ካበይ ዝመፃእኹም ኢኹም?” ኢሉ ኸዓ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ካብ ምድሪ ከነዓን እኽሊ ኽንሽምት ዝመፃእና ኢና” ኢሎም መለሱ። ዮሴፍ ነሕዋቱ ኣለለዮም፤ ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን። ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕባኣቶም ሓሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ። ንሱ ድማ “ንስኻትኩም ኵነታት እዛ ምድሪ ኽትስልሉ ዝመፃእኹም ሰለልቲ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኣታ ጐይታና፥ ንሕና ሓሻኽርካ ስርናይ ክንሽምት ዝመፃእና ኢና፤ ኵላትና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና፤ ሓቀኛታት ኢና፤ ንሕና ሓሻኽርካስ ሰለልቲ ኣይኮንናን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸዓ “ኣይፋልኩምን፤ ኵነታት እዛ ምድሪ ኽትስልሉ ዝመፃእኹም ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕና ሓሻኽርካ ኣብ ምድሪ ከነዓን እንነብር ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋት፥ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። እቲ ሓደ እኳ ጠፊኡ እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ግና ምስ ኣቦና ኣሎ” በልዎ። ዮሴፍ ድማ “ከምቲ ቕድም ዝበልኩኹም፥ ንስኻትኩም ሰለልቲ ኢኹም። ሕዚ ኸዓ ኽፍትነኩም እየ፤ እቲ ንእሽተይ ሓውኩም ናብዙይ እንተይመፀ ኻብዙይ ከም ዘይትወፁ፥ ብህይወት ፈርዖን እምሕል ኣለኹ። ንሓውኩም ዘምፅእ ካባኻትኩም ሓደ ስደዱ፤ እቲ ዝበልኩምዎ ሓቂ እንተልይዎ ኽሳዕ ዝፃረ ግና፥ ንስኻትኩም ክትእሰሩ ኢኹም። እንተ ዘይኮነ ብህይወት ፈርዖን እምሕል ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ሰለልቲ ኢኹም” በሎም። ብሓደ ገይሩ ንሰለስተ መዓልቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ ከምዙይ በሎም፦ “እዝ ዝብለኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፤ ኣነ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ እየ እሞ። ቅኑዓት እንተ ዄንኩምስ፥ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነበርኩም ቤት ማእሰርቲ ይተኣሰር። ንስኻትኩም ድማ ኼድኩም፥ ነቶም ጠምዮም ዘለዉ ስድራኹም ዝኸውን እኽሊ ኣብፅሑሎም። ነቲ ንእሽተይ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምፅእዎ፤ እቲ ቓልኩም ሓቂ እንተ ደኣ ኾይኑ ኣይትሞቱን ኢኹም” በሎም። ከምኡውን ገበሩ። ንስንሳቶም ከዓ “ንሓውና ብሓቂ በዲልና ኢና፤ እቲ ኣይትጨክኑለይ እናበለ ኽልምነና እንተሎ፥ ነፍሱ ኽትጭነቕ እናረአና ኣይሰማዕናዮን። ብናቱ ግፍዒ እዩ እዝ መከራ እዙይ ዝበፅሐና” ተበሃሃሉ። ዮሴፍ ብኣስተርጓሚ ገይሩ ይዛረቦም ስለ ዝነበረ፥ ከም ዝሰምዖም ኣይፈልጡን ነበሩ። ዮሴፍ ከዓ ኻብኣቶም ግልስ ኢሉ በኸየ፤ ናብኣቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም፤ ንስምኦንውን ካብኣቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣሰሮ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ለለቘታኦም እኽሊ ኽመልኡሎም፥ ገንዘቦምውን ኣብ ለለቘታኦም ክመልሱሎም፥ ንመንገዲውን ስንቂ ኽህብዎም ኣዘዘ። ከምኡ ኸዓ ገበሩሎም። እኽሎም ኣብ ኣእዱጎም ፅዒኖም ከዓ ኻብኡ ተልዒሎም ከዱ። ኣብቲ ዝሓደሩሉ ቦታ ድማ ሓደ ኻብኣቶም ንኣድጉ እኽሊ ኽህብ፥ ለቘታኡ ፈትሐ፥ ነቲ ገንዘቡ ኸዓ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ረኸቦ። ነሕዋቱ ኸዓ “ገንዘበይ ተመሊሱ፤ እንሆ ኣብ ለቘታይ ረኺበዮ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ልቦም ደንገፀ፤ ቀጥቀጥ እናበሉ ድማ ንስንሳቶም “እዝ እግዚኣብሄር ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ። ናብ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ተመለሱ ኸዓ፥ እቲ ዅሉ ዝበፅሖም ከምዙይ ኢሎም ነገርዎ፦ “እቲ፥ ጐይታ እታ ሃገር፥ ኣትሪሩ ተዛረበና፤ ነታ ምድሪ ኽንስልል ከም ዝመፃእናውን ቈፀረና። ንሕና ድማ ‘ሰለልቲ ኣይኮንናን፤ ቅኑዓት ሰባት ኢና። ንሕና ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋት ደቂ ሓደ ኣቦ ኢና፤ እቲ ሓደ ጠፊኡ እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ግና ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ከነዓን ኣሎ’ በልናዮ። እቲ ጐይታ እታ ሃገር ከዓ፥ ‘ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ዄንኩም በዙይ ክፈልጥ እየ፦ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፤ ነቶም ጥሙያት ስድራኹም ዝኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኺዱ። ነቲ ንእሽተይ ሓውኩም ከዓ ናባይ ኣምፅእዎ። ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር፥ ሰለልቲ ኸም ዘይኮንኩም ሽዑ ኽፈልጥ እየ። ሓውኩም ድማ ኽህበኩም እየ፤ ኣብዛ ምድሪ እውን ከም ድልየትኩም ክትነግዱ ለቛታኦም ፈቲሖም ነቲ እኽሊ ኽግልብጡ እንተለዉ፥ እንሆ ነናይ ነፍሲ ወከፍ ቍፃር ገንዘቡ ኣብ ለለቘታኡ ነበረ። ንሳቶምን ኣቦኣቶምን ነቲ ቝፃር ገንዘብ ምስ ረአዩ ደንገፁ። ኣቦኣቶም ያእቆብ ድማ “ደቀይ ውሉድ እኮ ኣስኣንኩምኒ። ዮሴፍ የለን፤ ስምኦንውን የለን፤ ሐዚ ድማ ንብንያም ክትወስድዎ ትደልዩ ኣለኹም፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ኣባይ በፅሐ” በሎም። ሮቤል ከዓ ነቦኡ፥ “ንኣይ ሕድሪ ሃበኒ፥ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ እየ፤ ናባኻ እንተ ዘየምፃእኽዎ፥ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተሎም” በሎ። ንሱ ኸዓ “ሓዉ ሞይቱ፥ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፥ ወደይስ ምሳኻትኩም ኣይወርድን እዩ። ኣብቲ እትኸድዎ መንገዲ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፥ ሽዑ ኣብ እርጋነይ ብመሪር ሓዘን ናብ መቓብር ከም ዝወርድ ክትገብሩኒ ኢኹም!” በሎም። እቲ ጥሜት ኣብ ከነዓን በርትዐ። እቲ ኻብ ግብፂ ዘምፅእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ ድማ፥ ኣቦኣቶም ያእቆብ፥ “ተመሊስኩም ቁሩብ እኽሊ ሸምቱልና” በሎም። ይሁዳ ኸዓ “እቲ ሰብኣይ፥ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይመፂኡ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ ኢሉ ኣጠንቂቑና እዩ። ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዄንካ፥ ወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና። ዘይትሰዶ እንተ ዄንካ ግና፥ እቲ ሰብኣይ፥ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይመፂኡ፥ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ ኢሉና እዩ እሞ፥ ኣይንወርድን ኢና” በሎ። እስራኤል ከዓ፥ “ነቲ ሰብኣይ ሓደ ሓው ኣለና ኢልኩም፥ ብምንጋር ስለ ምንታይ ኣኽፋእኹምለይ?” በለ። ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን፥ ‘ኣቦኻትኩም ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ? ካልእ ሓውከ ኣለኩምዶ?’ ኢሉ ኣጥቢቑ ጠየቐና። ንሕና ኸዓ ኸምቲ ጥያቐኡ መለስናሉ። ንሓውኩም ኣምፅእዎ ኸም ዝብለናዶ ፈሊጥና ኔርና?” በልዎ። ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል “ተሲእና ኽንከይድስ፥ ንብንያም ምሳይ ስደዶ። ሽዑ ኸዓ ንሕናን ንስኻን ህፃናትናን ካብ ጥሜት ክንድሕን ኢና። ኣነ እወሓሶ፥ ካባይ ድለዮ። ናባኻ ኣምፂአ ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየቢለዮ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ሓጢኣተኛ እኹን። ክሳዕ ሕዚ ደንጕና እንተ ዘይንኸውንስ ድሮኳ ኻልኣይ ጊዜ ተመሊስና ምሃለና ኔርና” በሎ። ሽዑ ኣቦኣቶም እስራኤል “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ከምኡ ግበሩ፦ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ፀፅቡቑ ኣብ ለቛቱኹም ውሰዱ፥ ነቲ ሰብኣይ ዝኸውን ገፀ በረከት፥ በለሳን፥ ቁሩብ ቀመም፥ ቁሩብ መዓር፥ ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ። ገንዘብ ድማ ዕፅፊ ጌርኩም ተማልኡ፤ እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱኹም ዝተመለሰ ገንዘብውን፥ ምናልባሽ ብጌጋ ኸይኸውን ተማልእዎ። ንሓውኩምውን ውሰድዎ፤ ቀልጢፍኩም ከዓ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ። ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽሰዶም፥ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ሞገስ ይሃብኩም። ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ፥ እስኣን” በሎም። ንሳቶም ድማ ገፀ በረከት ሒዞም፥ ዕፅፊ ገንዘብ ተማሊኦም፥ ንብንያምውን ሒዞም፥ ናብ ግብፂ ወሪዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ። ዮሴፍ ከዓ ንብንያም ምስኣቶም ምስ ረአዮ፥ ንኣዛዚ ገዛኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ቀትሪ ምሳይ ክመስሑ እዮም እሞ፥ ናብ ገዛይ ኣእትዎም፤ ሕሩድ ሓሪድካውን ኣሰናዱ” በሎ። እቲ ኣዛዚ ቤት ድማ ኸምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፤ ነቶም ሰባትውን ናብ ገዛ ዮሴፍ ኣእተዎም። ንሳቶም ድማ ናብ ገዛ ዮሴፍ ስለ ዘእተዎም ፈርሑ። “ናብዙይ ኣእትዩና ዘሎ፥ ብምኽንያት እቲ ብቐዳማይ ኣብ ለቛቱና ዝተመለሰ ገንዘብ እዩ፤ ሕዚ ምኽንያት ገይሩ ጕድኣት ከብፅሐልና፥ ነእዱግና ኽወስድ፥ ንኣና ኸዓ ባሮቱ ኽገብረና እዩ” ኢሎም ሓሰቡ። ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ ገዛ፥ ናብቲ ኣዛዚ ቤት ዮሴፍ ቀሪቦም፦ “ኦ ጐይታና! ብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት መፂእና ኔርና። ኣብቲ ዝሓደርናሉ ምስ በፃሕና ለቛቱና ፈቲሕና እንተ ረአና፥ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍና ኸከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ነበረ፤ እቲ ገንዘብ ናብ ለቛቱና መን ከም ዘእተዎ ኣይፈለጥናን፥ እንሆ መሊስናዮ ኣለና። ካልእ ገንዘብውን መሸመቲ እኽሊ ዝኸውን ኣምፂእና ኣለና” በልዎ። ንሱ ድማ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ። ኣብ ለቛቱኹም ገንዘብ ዝሃበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦታትኩምን እዩ፤ ገንዘብኩምስ በፂሑኒ እዩ” በሎም። ንስምኦንውን ናብኣቶም ኣምፅኦ። እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣእትዩ፥ ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ሃቦም፤ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን። ኣብኡ ኸም ዝመስሑ ሰሚዖም ነበሩ እሞ፥ ዮሴፍ ቀትሪ ምስ መፀ ምእንቲ ኸቕርቡሉ ነቲ ገፀ በረከት ኣዳለውዎ። ዮሴፍ ናብ ገዛ ምስ መፀ፥ ነቲ ዘምፅእዎ ገፀ በረከት ኣቕረቡሉ። ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከዓ ሰገዱሉ። ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ጠየቖም፤ “እቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረብኩምኒ ሽማግለ ኣቦኻትኩምከ ደሓንዶ ኣሎ? ገናዶ ብህይወት ኣሎ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ሓሽከርካ ኣቦና ደሓን እዩ፤ ብህይወት ኣሎ” በልዎ። ድንን ኢሎም ድማ ሰገዱሉ። ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ድማ ንወዲ እኖኡ ንብንያም ረአዮ፥ “እዙይ እቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረብኩምኒ ንእሽተይ ሓውኩም ድዩ?” በሎም። ንእኡ ኸዓ “ወደይ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በሎ። ዮሴፍ ድማ ንሓዉ ሪኡ ኸብዱ ምኽኣል ኣብዩዎ ዝበኽየሉ ስፍራ ደለየ፤ ናብ ሕልፍኝኡ ኣትዩ ኸዓ በኸየ። ገፁ ተሓፂቡውን ወፀ። ንባዕሉ ኣረጋጊኡ ድማ “እንጀራ ኣቕርቡ” በለ። ሽዑ ንእኡ ንበይኑ፥ ነሕዋቱ ንበይኖም፥ ነቶም ምስኡ ዝበልዑ ግብፃውያን ከዓ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ንግብፃውያን ምስ ዕብራውያን እንጀራ ምብላዕ ነውሪ እዩ እሞ፥ ምስኣቶም ክበልዑ ኣይከኣሉን። እቶም ኣሕዋት ካብ በዅሪ ኽሳዕ እቲ ምንኣስ ኵሎም፥ ከከም ዕድመኣቶም ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ኣብ ማእዲ ተቐመጡ፥ ኣቀማምጣኣቶም ሪኦም ከዓ ንስንሳቶም ብምድናቕ ተጠማመቱ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ዝነበረ ምግቢ ኸዓ ገግደኦም ኣቕረቡሎም፤ ንብንያም ድማ ሕልፊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረቡሉ። ስለዙይውን ሰትዮም ምስኡ ተሓጐሱ። ዮሴፍ፥ ንኣዛዚ ቤቱ “እዞም ሰባት ክወስድዎ ኽሳዕ ዝኽእሉ ጌርካ ኣብ ለቛቱኦም እኽሊ ምልአሎም። ናይ ነፍሲ ወከፍ ገንዘብ ድማ፥ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ኣንብር። ነታ ብብሩር ዝተሰርሐት ፅዋዐይ፥ ምስቲ ዋጋ እኽሊ ገንዘብ ጌርካ፥ ናብ ኣፍ ለቘታ እቲ ንእሽተይ ግበራ” ኢሉ ኣዘዞ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዮሴፍ ዝኣዘዞ ገበረ። ምስ ወግሐ፥ ነቶም ሰባት ኣእዱጎም ሒዞም ከም ዝኸዱ ገበሩ። ንሳቶም ካብ ከተማ ውፅእ ኢሎም ገና ኸይረሓቑ እንተለዉ፥ ዮሴፍ ንኣዛዚ ቤቱ “ተስእ ደድሕሪ እዞም ሰባት ጕየ፤ ምስ ኣርከብካዮም፥ ‘ስለ ምንታይ ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ ትፈድዩ? እታ ጐይታይ ዝሰትየላን ብኣኣ ድማ ምስጢር ዝፈልጠላን ፅዋዕ ንሳዶ ኣይኮነትን? እዙይ ምግባርኩም ክፉእ ጌርኩም’ በሎም” ንሱ ኸዓ ኣርኪቡ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ንሳቶም ድማ፥ “ጐይታይ! ስለ ምንታይ ከምዙይ ኢልካ ትዛረብ? ከምዙይ ዝበለ ነገር ንሕና ኸቶ ኣይገበርናዮን። እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ፥ ካብ ምድሪ ከነዓን መሊስናልካ ኢና። ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ኮነ ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ? ካብ ሓሻኽርኻ እታ ፅዋዕ ዝተረኽበቶ ይቀተል፤ ንሕና ዝተረፍና ድማ ባሮት ጐይታና ንኹን” በልዎ። ንሱ ኸዓ፥ “ሕራይ፥ ከም ዝበልኩምዎ ይኹን። እቲ ዝተረኽበቶ ባርያይ ይኹን፤ ዝተረፍኩም ግና ኻብ በደል ንፁሃት ኢኹም” በለ። ቀልጢፎም ከዓ ለለቘታኦም ናብ ምድሪ ኣውረዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ለቘታኡ ፈትሐ። ንሱ ኸዓ ኻብ ዓብዪ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብቲ ንእሽተይ ዝበፅሕ ጐርጐሮም። እታ ፅዋዕ ድማ ኣብ ለቘታ ብንያም ተረኽበት። ሽዑ ደንጊፆም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ ኣእዱጎም ፅዒኖም ከዓ ናብ ከተማ ተመለሱ። ይሁዳን ኣሕዋቱን ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣተዉ፤ ዮሴፍ ድማ ኣብ ገዛኡ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ናብ ምድሪ ተደፊኦም ሰገዱሉ። ዮሴፍ ከዓ “እንታይ ግብሩ እዩ ዝገበርኩምዎ? ኸማይ ዝበለ ሰብ፥ ፈላጢ ምስጢር ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም። ይሁዳ ድማ፥ “ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብለካ ኢና? እንታይከ ኽንዛረበካ? ኸመይ ጌርናኸ ርእስና ኽነንፅህ? ኣምላኽ በደልና ኻብ ቀልዐ፥ እኒሀና፤ ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ዝተረኽበቶን ባሮትካ ኢና” በሎ። ዮሴፍ ግና “እዙይ ከቶ ኣይገብሮን እየ፤ እቲ ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ዝተረኽበቶ ሰብኣይ ባርያይ ይኹን፥ ዝተረፍኩም ግና ናብ ኣቦኻትኩም ብሰላም ተመለሱ” በሎም። ሽዑ ይሁዳ ናብ ዮሴፍ ቀሪቡ ኸምዙይ በሎ፦ “ጐይታይ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ ኣለኹ። ንስኻ ኸም ፈርዖን ኢኻሞ፥ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣብ ሓሽከርካ ኣይንደድ። ጐይታይ! ነኣና ንሓሻኽርካ ‘ኣቦ ወይ ሓው ኣለኩምዶ?’ ኢልካ ጠየቕካና። ንሕና ኸዓ ንጐይታይ፥ ‘ሽማግለ ኣቦ ኣለና፤ ኣብ እርጋኑ ዝወለዶ ንእሽተይ ቈልዓውን ኣለና፤ ሓዉ ወዲ እኖኡ ስለ ዝሞተ ድማ፥ በይኑ እዩ ተሪፉ ዘሎ፤ ኣቦኡ ኸዓ ይፈትዎ እዩ’ በልናካ። ሽዑ ንስኻ ንኣና ንሓሻኽርካ ‘ክሪኦስ ናባይ ኣምፅእዎ’ በልካና። ንሕና ድማ ንጐይታይ፥ ‘እቲ ቘልዓ ነቦኡ ኽሓድጎ ኣይኽእልን እዩ፤ ነቦኡ እንተ ሓዲጉዎ ግና፥ ኣቦኡ ኽመውት እዩ’ በልናካ። ንኣና ንሓሻኽርካ ድማ ‘እቲ ንእሽተይ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየምፂእኹምዎ፥ ደጊም ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ በልካና። “ንሕና ኸዓ ናብ ሓሽከርካ ኣቦና ምስ ተመለስና ዘረባኻ ነገርናዮ። ኣቦና ድማ፥ ‘ተመሊስኩም ቁሩብ እኽሊ ሸምቱልና’ በለና። ንሕና ኸዓ፥ ‘ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና እንተ ዘይተማሊእናዮ፥ ገፅ እቲ ሰብኣይ ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና ኽንማልኦ እንኽእል እንተ ዄንና ግና ኽንከይድ’ በልናዮ። ኣቦና ሓሽከርካ ድማ፥ ‘ሰበይተይ ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደትለይ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ሓደ ካባይ ወፀ፤ ኣነ ኸዓ ብርግፅ ኣራዊት በሊዕዎ እዩ በልኩምኒ። ክሳዕ ሕዚ ድማ ኣይረአኽዎን። ነዙይ ከዓ ኻብ ቅድመይ እንተ ወሰድኩምዎ፥ እሞ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፥ ንሲበተይ ብሓዘን ናብ መቓብር ከይተውርዱኒ’ በለና። “ሕዚ ኸዓ ኣነ ናብ ሓሽከርካ ኣቦይ እንተ ተመለስኩ፥ ነዝ ወዲ ድማ ምሳና እንተ ዘይተማሊእናዮ፥ የመና ስለ ዝፈትዎ፥ እቲ ቘልዓ ምሳና ኸም ዘየሎ ምስ ረአየ ኽመውት እዩ። ንሕና ሓሻኽርካ ኸዓ፥ ንሲበት ኣቦና ሓሽከርካ፥ ብጓሂ ናብ መቓብር ከም ዘውረድናዮ ኢና እንኸውን። ኣነ ሓሽከርካ ነዝ ቘልዓ እዙይ ካብ ኣቦይ ተውሒሰ እየ ኣምፂአዮ። ነቦይ ‘ናባኻ መሊሰ እንተ ዘየምፃእኽዎ ምሉእ ዕድመይ ሓጢኣተኛ እኸውን’ በልክዎ። ሕዚ ድማ ኣነ ኽንዲ ዝቘልዓ እዙይ፥ ባርያኻ ኾይነ ኽቕመጥ እልምነካ ኣለኹ። እዝ ቘልዓ እዙይ ግና፥ ምስ ኣሕዋቱ ይደይብ። ነዝ ወዲ እዙይ እንተይሓዝኩ ኸመይ ገይረ ናብ ኣቦይ ክድይብ እኽእል? እዝ ነቦይ ዝረኽቦ ኽፉእስ ክርኢ ኣይክእልን እየ” በሎ። ቃሉ ዓው ኣቢሉ ስለ ዝበኸየ ግብፃውያን ሰምዑ፤ ኣብ ቤት ፈርዖንውን ተሰምዐ። ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ “ኣነ ዮሴፍ እየ፤ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕዚ ብህይወቱዶ ኣሎ?” በሎም። ኣሕዋቱ ድማ እዙይ ሰሚዖም ደንገፁ፤ ክምልሱሉውን ኣይከኣሉን። ዮሴፍ ከዓ ነሕዋቱ፥ “እስኪ ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ቐረቡ። ዮሴፍ ከዓ፦ “ኣነ እቲ ናብ ግብፂ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ። እግዚኣብሄር እዩ ህይወት ሰብ ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፥ ናብዙይ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩ፤ ኣይትጨነቑውን። ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን እንሆ ኽልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ማሕረስ ኮነ ዓፂድ ዘይብለን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመታት ኣለዋ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብዘደንቕ መንገዲ ንህይወትኩም ምእንቲ ኸድሕን፥ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ። ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዙይ ዝለኣኽኩምኒ። እግዚኣብሄር ንፈርዖን ዘማኽሮ ኣቦኡ፥ ንዅላ ቤተ መንግስቱ ጐይታኣ፥ ንምድሪ ግብፂ ገዛኢኣ ገበረኒ። “ሕዚ ቐልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ተመለሱ እሞ፦ ‘ዮሴፍ ወድኻ ኸምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብፂ ጐይታ ገበረኒ፤ ስለዙይ ናባይ ምፃእ፤ ኣይትደንጒ። ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕኻን ከፍትኻን ዘለካ ዅሉን ኣብ ቀረባይ ምእንቲ ኽትከውን፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ክትቅመጥ ኢኻ። ገና ሓሙሽተ ናይ ጥሜት ዓመታት ተሪፈን ኣለዋሞ፥ ንስኻን ቤተ ሰብካን ኵሉ ዘለካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፥ ኣብኡ ኽምግበኩም እየ’ ” በልዎ። “ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸዓ ኣዒንትኹምን ኣዒንቲ ሓወይ ብንያምን ሪአን ኣለዋ። እቲ ኣብ ግብፂ ዝተውሃበኒ ዅሉ ኽብረይን እቲ ዅሉ ዝረአኹምዎን ነቦይ ንገርዎ፤ ነቦይውን ቀልጢፍኩም ናብዙይ ኣምፅእዎ” በሎም። ሽዑ ንኽሳድ ሓዉ ብንያም በእዳዉ ሓቚፉ ኽበኪ ጀመረ፤ ብንያምውን ኣብ ክሳዱ በኸየ። ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸዓ እናበኸየ ሰዓሞም። ድሕሪዙይ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ኽዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ከዓ “ኣሕዋት ዮሴፍ መፂኦም” ዝብል ወረ ተሰምዐ። ፈርዖንን መኳንንቱን ድማ ተሓጐሱ። ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፦ “ነሕዋትካ ኸምዙይ ግበሩ በሎም፦ ‘እንስሳኹም ፅዒንኩም ኪዱ፤ ናብ ምድሪ ከነዓን ከዓ ተመለሱ። ኣቦኻትኩምን ስድራኹምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምፁ። ካብ ምድሪ ግብፂ ድማ እቲ ዝበለፀ ኽህበኩም እየ። ስብሒ እዛ ምድሪ እዚኣውን ክትበልዑ ኢኹም።’ ከምኡውን፦ ‘ንህፃናትኩምን ነንስትኹምን ዝኾና ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብፂ ውሰዱ፤ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምፁ። እቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘሎ ዘዝበለፀ ዅሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ፥ በቲ እትሓድግዎ ንብረትኩም ኣይትሕሰቡ’ ኢልካ ንገሮም” በሎ። ደቂ ያእቆብ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ኸምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ሰረገላታት ሃቦም፤ ንመንገዲውን ስንቂ ሃቦም። ንነፍሲ ወከፎም ሓድሓደ ምሉእ ኽዳን ሃቦም። ንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩርን፥ ሓሙሽተ ምሉእ ክዳውንትን ሃቦ። ነቦኡ ድማ ኣብ ግብፂ ዝርከብ ኵሉ ዘዝበለፀ ዝተፅዓና ዓሰርተ ኣእዱግ፥ ንመንገዲ ስንቂ ዝኾኖ እኽልን ሕብስትን ዝተፈላለየ ምግብን፥ ዓሰርተ ፅዕነት ኣንስትዮ ኣእዱግን ሰደደሉ። ሽዑ ነሕዋቱ ኣፋነዎም፤ ምስ ተልዓሉ ድማ “ኣብ መንገዲ ንስንሳትኩም ኣይትበኣሱ” በሎም። ንሳቶምውን ከዱ። ካብ ሃገር ግብፂ ወፂኦም ከዓ ናብ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነዓን በፅሑ። “ወድኻ ዮሴፍ ገና ብህይወቱ ኣሎ፤ ንዅላ ምድሪ ግብፂ ዝገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ” ኢሎም ነገርዎ። ያእቆብ ድማ ብልቡ ደንገፀ፤ ክኣምኖምውን ኣይከኣለን። እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ምስ ነገርዎን እቲ መምፅኢኡ ክኾኖ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደደሉ ሰረገላታትን ምስ ረአየ ግና፥ ህይወት ኣቦኣቶም ያእቆብ ተሓደሰ። እስራኤል ድማ “ወደይ ዮሴፍ ብርግፅ ብህይወቱ እንተ ሃልዩ ይኣኽለኒ? እንተይሞትኩ ኽሪኦ ክኸይድ እየ” በለ። እስራኤል ኵሉ ዘለዎ ሒዙ ተልዓለ። ኣብ ቤርሳቤህ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ንኣምላኽ ኣቦኡ ይስሓቅ፥ መስዋእቲ ሰውአ። እግዚኣብሄር ድማ ንያእቆብ ብራእይ ለይቲ “ያእቆብ! ያእቆብ!” ኢሉ ፀውዖ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በለ። “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ እግዚኣብሄር እየ። ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፥ ናብ ግብፂ ምኻድ ኣይትፍራሕ። ኣነ ምሳኻ ናብ ግብፂ ኽወርድ እየ፤ ብርግፅ ድማ ኻብኡ ኣነ ኸውፅአካ እየ። ክትመውት እንተለኻ ኸዓ ዮሴፍ ኢዱ ኣብ ዓይንኻ ኸንብር እዩ” በሎ። ያእቆብ ድማ ኻብ ቤርሳቤህ ተስአ። ደቂ እስራኤል ከዓ ነቦኦምን ህፃናቶምን ኣንስቶምን፥ ናብቶም ያእቆብ ክመፀሉ ኢሉ ፈርዖን ዝሰደዶም ሰረገላታት ኣደየብዎም። ከፍቶምን ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ሒዞም፥ ናብ ግብፂ ኣተዉ። ያእቆብውን ንዅሉ ዘርኡ፥ ንደቁን ንደቂ ደቁን፥ ነዋልድ ደቁን፥ ንዅሉ ዘርኡን ሒዙ ናብ ግብፂ ኣተወ። ስም እቶም ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል፥ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ በዅሪ ያእቆብ፥ ሮቤል። ደቂ ሮቤል፦ ሄኖህ፥ ፈሉሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ። ደቂ ስምኦን፦ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት። ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ። ደቂ ይሁዳ ድማ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ ፋሬስ፥ ዛራ። ዔርናን ኣውናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል። ደቂ ይሳኮር፦ ቶላ፥ ፉዋ፥ ዮብ፥ ሺምሮን። ደቂ ዛብሎን ድማ፦ ሴሬድ፥ ኤሎን፥ ያሕልኤል። እዚኣቶምን፥ ዲና ጓሉን፥ ያእቆብ ካብ ልያ ኣብ መስጴጦምያ ሶርያ ዝወለዶም ደቁን ደቂ ደቁን እዮም። ኵሎም፥ ኣወዳትን ኣዋልድን፥ ሰላሳን ሰለስተን ደቂ ጋድ ድማ፦ ፅፎን፥ ሓጊ፥ ሹኒ፥ ኤስቦን፥ ዔሪ፥ ኣሮዲ፥ ኣርኤሊ። ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ ዪስዋ፥ የስዊ፥ በሪዓ። ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ኸዓ ነበረቶም። ደቂ በሪዓ፦ ሔቤር፥ መልኪኤል። እዚኣቶም ዘለፋ፥ እታ ላባ ንጓሉ ልያ ዝሃባ፥ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዓሰርተ ሽዱሽተ እዮም። ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ ንዮሴፍን ንብንያምን ወለደት። ንዮሴፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣስናት ጓል ጶጥፌራ ኻህን ከተማ ሄልዮት ዝወለደትሉ፥ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም። ደቂ ብንያም ድማ፦ ቤላ፥ ቤከር፥ ኣስቤል፥ ደቂ ቤላ ድማ ጌራ፥ ናዕማን፥ ኣኪ፥ ሮስ፥ ማንፌን፥ ሑፊም፥ ጌራም ንኣርድ ወለደ። ንያእቆብ ካብ ራሄል ዝተወለዱሉ ደቁን ደቂ ደቁን ዓሰርተ ኣርባዕተ እዚኣቶም እዮም። ወዲ ዳን፥ ሑሺም። ደቂ ንፍታሌም፦ ያሕፅኤል፥ ጉኒ፥ ዮፅር፥ ሺሌም። እዚኣቶም ደቂ ባላ ደቂ እታ ላባ ንራሄል ጓሉ ዝሃባ እዮም። ባላ፥ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዅሎም ሸውዓተ እዮም። እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብፂ ዝኣተዉ፥ ብዘይ ኣንስቲ ደቁ፥ ካብ ሕቘኡ ዝወፁ ዅሎም ስሳን ሽዱሽተን ነበሩ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዮሴፍ ዝተወለዱሉ ኸዓ ኽልተ ደቂ እዮም። ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ዅሎም ቤተ ሰብ ያእቆብ እምበኣር ሰብዓ እዮም። ዮሴፍ ኣብ ጌሴም ምእንቲ ኽቕበሎ ያእቆብ ንይሁዳ ቐቅድሚኡ ሰደዶ። ኣብ ምድሪ ጌሴምውን በፅሑ፥ ዮሴፍ ሰረገላኡ ፅዒኑ፥ ነቦኡ ያእቆብ ክራኸቦ ናብ ጌሴም መፀ። ምስ ተራኸቡ፥ ዮሴፍ ክሳድ ኣቦኡ ብኢዱ ሓቝፉ ነዊሕ ጊዜ በኸየ። ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ “ሕዝስ ገና ብህይወት ከም ዘለኻ ኻብ ፈለጥኩ፥ ገፅካውን ካብ ረአኹስ፥ እንተ ሞትኩውን ግዲ የብለይን” በሎ። ዮሴፍ ከዓ ነሕዋቱን ንቤተ ሰብ ኣቦኡን፦ “ናብ ፈርዖን ከይደ ‘ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤተ ሰብ ኣቦይን፥ ናባይ መፂኦም ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መርባሕቲ እንስሳ እዮም። ኣባጊዖምን ኣጣሎምን ከፍታቶምን ኵሉ ዘለዎምን ሒዞም መፂኦም ኣለዉ’ ኽብሎ እየ። ፈርዖን ፀዊዑ ‘ስራሕኹም እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኩም፥ ጓስነት ብግብፃውያን ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ምእንቲ ኽትቅመጡስ ‘ሓሻኽርካ፥ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕዚ መርባሕቲ እንስሳት ኢና’ በሉ” በሎም። ዮሴፍ ናብ ፈርዖን ኣትዩ “ኣቦይን ኣሕዋተይን ጤለ በጊዖምን ከፍቶምን ኵሉ ዘለዎምን ሒዞም፥ ካብ ምድሪ ከነዓን መፂኦም፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ሰብኣይ መሪፁ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረቦም። ፈርዖን ከዓ ነሕዋት ዮሴፍ “ስራሕኹም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ ንፈርዖን “ንሕና ሓሻኽርካ ስራሕና ኸምቲ ናይ ኣቦታትና መርባሕቲ እንስሳት ኢና” ኢሎም መለሱሉ። ኣስዒቦም ከዓ ንፈርዖን “ኣብ ምድሪ ከነዓን ጥሜት የመና ስለ ዝበርትዐ፥ እንስሳት ሓሻኽርካ ዝዋፈራሉ የለን። ስለዙይ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ብስደት መፂእና ኣለና፤ ሕዚ ኸዓ ሓሻኽርካ ኣብ ምድሪ ጌሴም ክንቅመጥ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ “ኣቦኻን ኣሕዋትካን እንሆ መፂኦምልካ ኣለዉ፤ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣብ ኢድካ እያ። ነቦኻን ነሕዋትካን ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ ኣቐምጦም። ኣብ ምድሪ ጌሴም ይቀመጡ። ካብኣቶም እትፈልጦም ክኢላታት ሰባት እንተ ሃልዮምኻ፥ ኣብ ከፍተይ ዋናታት ግበሮም” በሎ። ሽዑ ዮሴፍ ነቦኡ ያእቆብ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረቦ። ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መረቖ። ፈርዖን ከዓ ንያእቆብ “ዕድሜኻ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ “እተን ብስደት ዘሕለፍክወን ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ንሳተን ውሑዳትን መረርትን ነበራ። ክንዲ እተን ኣቦታተይ ብስደት ዘሕለፍወን ዘመናት ኣይኾናን እየን” በሎ። ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መሪቑ ኻብኡ ወፀ። ዮሴፍ ከዓ ነቦኡን ነሕዋቱን መሬት ኣካፈሎም፤ ከምቲ ፈርዖን ዝኣዘዞውን፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ፥ ኣብ ምድሪ ራምሴ ርስቲ ሃቦም። ዮሴፍ ነቦኡን ነሕዋቱን ንዅሉ ቤተ ሰብ ኣቦኡን ይሓልየሎም ነበረ። ከከም ብዝሒ ቤተ ሰቦምውን እኽሊ እናሰፈረ ይህቦም ነበረ። ኣብ ኵላ ምድሪ እኽሊ ስለ ዘይነበረ እቲ ጥሜት የመና በርትዐ። ካብ ጥሜት ዝተልዓለውን ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ዝነብሩ ህዝቢ ብጥሜት ሰንሰኑ። ዮሴፍ ድማ ኻብ ምድሪ ግብፅን ካብ ምድሪ ከነዓንን፥ እቲ ብሸመታ እኽሊ ዝተረኽበ ገንዘብ ኣከቦ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ድማ ኣእተዎ። እቲ ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ዝነበረ ገንዘብ ምስ ተወድአ ድማ፥ ኵሎም ግብፃውያን ናብ ዮሴፍ መፂኦም፥ “ስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እንመውት? ገንዘብና ተወዲኡ እዩ እሞ እኽሊ ሃበና” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ “ገንዘብኩም እንተ ደኣ ተወዲኡ ኾይኑ፥ ጥሪትኩም ኣምፅኡ፤ ክንዲ ጥሪትኩም ድማ እኽሊ ኽህበኩም እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ጥሪቶም ናብ ዮሴፍ ኣምፅኡ። ዮሴፍ ድማ ኽንዲ ኣፍራስን ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን ኣእዱግን እኽሊ ሃቦም። ስለዙይ ክንዲ ዅለን ጥሪቶም እኽሊ እናሃበ እታ ዓመት እቲኣ ኣሕለፎም። እታ ዓመት እቲኣ ምስ ሓለፈት ከዓ፥ በታ ኻልአይቲ ዓመት ናብ ዮሴፍ መፂኦም፥ “ገንዘብ ከም ዝተወድአ፥ ንኣኻ ንጐይታና ኣይንሓብአካን ኢና፤ እተን መጓሰታት ጥሪት ድማ ምሳኻ ኣለዋ። በይዛኻ እንትርፊ ነፍስናን ምድርናን ካልእ ኣይተረፈናን። ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ስለ ምንታይ ንመውት? ምድርናኸ ስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እትጠፍእ? ንኣናን ንምድርናን ብእኽሊ ዓድገና። ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርዖን ንኹን። ንሕና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ እታ መሬት ከዓ ኸይትባድምስ ዘርኢ ሃበና” በልዎ። ግብፃውያን ጥሜት ስለ ዝበርትዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ገግራቶም ሸጡ፤ ዮሴፍ ከዓ ዅላ ምድሪ ግብፂ፥ ንፈርዖን ክትከውን ዓደጋ፤ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርዖን ኮነት። ንህዝቢ ግብፂ ኸዓ፥ ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ፥ ናይ ፈርዖን ባሮት ገበሮም። እቶም ካህናት ግና ኻብ ፈርዖን ውሱን ድርጎ ስለ ዝነበሮም፥ መሬቶም ኣይሸጡን። ስለዙይ ዮሴፍ ንመሬት ካህናት ጥራሕ እዩ ዘይዓደገ። ዮሴፍ ከዓ ነቶም ህዝቢ “እንሆ፥ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንምድሪኹምን ንፈርዖን ዓዲገኩም እየ። ዘርኢ እኒሀልኩም፤ ነታ ምድሪ እውን ዝርእዋ። ጊዜ ቐውዒ ምስ ኮነ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርዖን ትህብዎ፤ እቲ ኣርባዕተ ኣፍ ድማ ንግራትኩም ዘርኢ፥ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ንቤተ ሰብኩምን ቀለብ ይኹን” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንስኻ ኣድሓንካና፤ ኣብ ቅድሜኻ ደኣ እንኳዕ ሞገስ ረኸብና እምበር፥ ባሮት ፈርዖን ንኸውን” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ “ኣብ ምድሪ ግብፂ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርዖን ይኹን” ኢሉ ሓገገ። እዝ ሕጊ እዙይ ክሳዕ ሎሚ ቖይሙ ኣሎ። ምድሪ ካህናት ጥራሕ እያ ናይ ፈርዖን ዘይኮነት። እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብ ምድሪ ጌሴም ተቐመጠ። ርስቶምውን ኮነት፤ ፈረዩ፤ የመናውን በዝሑ። ያእቆብ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ተቐመጠ። ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ። ክመውት ምስ ቀረበ ንወዱ ዮሴፍ ፀዊዑ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፤ ምስ ሞትኩ ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ፥ ኣብ መቓብር ኣቦታተይ ቅበረኒ” በሎ። ዮሴፍ ከዓ “ከም ዝበልካኒ ኽገብር እየ” በሎ። ያእቆብ ድማ “መሓለለይ” በሎ። ዮሴፍውን መሓለሉ። ያእቆብ ኣብ መተርኣሱ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ንዮሴፍ “እንሆ፥ ኣቦኻ ሓሚሙ” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ንኽልቲኦም ደቁ፥ ንምናሴን ኤፍሬምን፥ ሒዝዎም ከደ። ንያእቆብ ድማ “እንሆ፥ ወድኻ ዮሴፍ መፂኡ” ኢሎም ነገርዎ። ያእቆብ ከዓ ተፀናኒዑ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ። ያእቆብ ከዓ ንዮሴፍ ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ኣብ ሎዛ ኣብ ምድሪ ከነዓን ተርኣየኒ፤ ባረኸኒ፤ ከምዙይ ድማ በለኒ፦ ‘እንሆ፥ ኣነ ኸፍርየካን ከብዝሐካን፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ኽገብረካን እየ፤ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ።’ “ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም። ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉድ ግና ንኣኻ ይኹኑ። ኣብ ርስቶም ከዓ ብስም ኣሕዋቶም ኤፍሬምን ምናሴን ይሰመዩ። ኣነ ኻብ መስጴጦምያ ኽምለስ እንተለኹ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ንኤፍራታ ኽበፅሕ ቑሩብ ምስ ተረፈኒ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ከዓ ቐበርኩዋ።” ያእቆብ ድማ ንደቂ ዮሴፍ ምስ ረአዮም “እዚኣቶም እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ። ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ “እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣብዙይ ዝሃበኒ ደቀይ እዮም” በሎ። ያእቆብ ድማ “ክምርቖምስ እስኪ ናባይ ኣቕርቦም” በሎ። ኣዒንቲ ያእቆብ ከዓ ኻብ እርጋን ዝተልዓለ ፈዚዘን ነበራ እሞ፥ ኣፅርዩ ኽርኢ ኣይኽእልን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኣቦኡ ኣቕረቦም። ያእቆብ ከዓ ሓሓቝፉ ሰዓሞም። ያእቆብ ንዮሴፍ፥ “ገፅካ ኽርኢ እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና፥ እንሆ፥ ንደቅኻውን ኣርኣየኒ” በሎ። ዮሴፍ ከዓ ንደቁ ኻብ ሕቝፊ ኣቦኡ ኣግልስ ኣቢሉ ብገፁ ናብ ምድሪ ሰገደ። ዮሴፍ ድማ ንኽልቲኦም ደቁ ወሲዱ፥ ንኤፍሬም ብየማኑ ገይሩ፥ ናብ ፀጋም ያእቆብ፥ ንምናሴ ኸዓ ብፀጋሙ ገይሩ፥ ናብ የማን ያእቆብ ኣቕረቦም። ምናሴ በዅሪ፥ ኤፍሬም ከዓ ምንኣሱ ነበረ። ያእቆብ ግና ኣእዳዉ ኣመሳቒሉ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም፥ ፀጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ ይባርኮም። ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ ይብዝሑ።” ዮሴፍ ከዓ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ሪኡ ኣይተሓጐሰን፤ ካብ ርእሲ ኤፍሬም ኣልዒሉ ናብ ርእሲ ምናሴ ኸሕልፋ ኸዓ ንኢድ ኣቦኡ ሓዛ። ዮሴፍ ድማ ነቦኡ፥ “ኣቦይ፥ ከምኡ ኣይኮነን፤ እቲ በዅሪ እዙይ እዩ እሞ፥ የማነይትኻ ኣብ ርእሱ ኣንብር” በሎ። ኣቦኡ ግና ኣበዮ፥ “ፈሊጠ ኣለኹ፤ ወደይ ፈሊጠ ኣለኹ። ዘርኢ ምናሴ ዓብዪ ህዝቢ ክኸውን እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ሓዉ ግና ኻብኡ ኽዓቢ እዩ፤ ዘርኡውን ብዙሕ ኣህዛብ ክኸውን እዩ” በሎ። ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ፥ “እንሆ፥ ኣነ ኽመውት ቀሪበ ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኽመልሰኩም እዩ። እንሆ እታ ኣነ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሴኬም ድማ፥ ሕልፊ ኣሕዋትካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ያእቆብ ንደቁ ፀዊዑ፥ “በተን ዳሕረዎት ዘመናት ዘጋጥመኩም ክነግረኩምስ፥ ተኣከቡ” በሎም። ናብ ኣቦኻትኩም እስራኤል ከዓ ኣድምፁ።” ብኽብረት ብሉፅ፥ ብስልጣን ከዓ ብሉፅ ኢኻ። ስለዙይ ሕልቅና ነኣኻ ኣይኹን።” ኣስይፍቶም ኣፅዋር ዓመፃ እየን፤ ኣብ ኣኼባኦም ከዓ ኣይፀምረኒ። ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።” ደቂ ኣቦኻ ኽሰግዱልካ እዮም። ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ? ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ። ነፀላኡ ኸዓ ብደም ወይኒ ኽሓፅብ እዩ። ኣስናኑ ድማ ኻብ ፀባ ኽፅዕድዋ እየን።” ወሰኑ ኸዓ ኽሳዕ ሲዶና ክኸውን እዩ።” ኣብ ማእኸል ሰፈር ኣባጊዕ ድማ ይድቅስ። ፀዓራይ ሓረስታይውን ኮነ። ዳን ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኮይኑ ንህዝቡ ኽዳኒ እዩ። ንፈረሰኛ ኸዓ ንድሕሪት ከም ዝወድቕ ይገብሮ።” “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንምድሓንካ እፅበ ኣለኹ።” ንሱ ግና እግሪ እግሮም ስዒቡ ኸሳጕጎም እዩ። ኣሴር ድማ ንነገስታት ዝበቅዕ ምግቢ ኸቕርብ እዩ።” ጥዑም ቃልውን ይህብ።” ጨናፍራ ኣብ መንደቕ ዝድይብ፥ ፈራይት ወይኒ እዩ። ፍላፃ ወርዊሮም ድማ ሰጐጕዎ። በቲ ሓላዊን ኰዅሒ እስራኤልን ፀንዐ። ካብ ማህፀንን ካብ ጡብን ብዝርከብ ምርቓ ኽባርኸካ እዩ። ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ሓለቓ ኣብ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ግንባር ዮሴፍ ይዕረፍ።” ምሸት ከዓ ዝማረኾ የካፍል።” እዚኣቶም ኵላቶም እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል እዮም። እዙይ ከዓ እቲ ኣቦኣቶም ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዝግብኦም ክምርቖም እንተሎ ዝተዛረቦ እዩ። ሽዑ ያእቆብ ንደቁ፦ “እንሆ፥ ኣነ ናብ ወገናተይ ክእከብ እየ። ኣብታ ግራት ኤፍሮን ኬጢያዊ ዘላ በዓቲ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ። ንሳ ኣብ ግራት ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ፥ ኣብርሃም ንመቓብር ርስቲ ኽትከውን ኢሉ፥ ካብ ኤፍሮን ኬጢያዊ ምስታ ግራት ዝዓደጋ ድርብ በዓቲ እያ። ንኣብርሃምን ንሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ቐበርዎም፤ ንይስሓቅን ንርብቃ ሰበይቱንውን ኣብኣ ቐበርዎም፤ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ። እቲ ግራትን እቲ ኣብኡ ዘሎ በዓትን፥ ካብ ደቂ ኬጢ ዝተዓደገ እዩ” በሎም። ያእቆብ ንደቁ እዙይ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣእጋሩ ኣከበ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት እሞ፥ ናብ ወገናቱ ተፀመረ። ዮሴፍ ኣብ ልዕሊ ገፅ ኣቦኡ ወዲቑ እናበኸየ ሰዓሞ። ዮሴፍ ከዓ ነቶም ሰብ መድሓኒት ሓሻኽሩ፥ ነቦኡ ብምዑዝ ቅብኢ ኽደርዝዎ ኣዘዞም። እቶም ሓኻይም ድማ ብምዑዝ ቅብኢ ደረዝዎ። ከምቲ ልሙድ ኣርብዓ መዓልቲ ደረዝዎ። ግብፃውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ። መዓልቲታት ሓዘን ምስ ተወድአ ኸዓ፥ ዮሴፍ ንቤተ ሰብ ፈርዖን፦ “ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻትኩም ንፈርዖን፦ ኣቦይ፥ እንሆ፥ ‘ኣነ እመውት ኣለኹ። ኣብታ ምድሪ ከነዓን ንኣይ ኢለ ዝዀዓትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ’ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕዚ ኸዓ ኸይደ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ ኢልኩም ንገሩለይ” በሎም። ፈርዖን ድማ፥ “ኺድ እሞ ኸምቲ ዘምሓለካ፥ ነቦኻ ቕበሮ” በሎ። ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ኽቐብሮ ኸደ። ኵላቶም መኳንንቲ ፈርዖንን ሹመኛታት ቤተ መንግስቱን፥ ኵላቶም ዓበይቲ ምድሪ ግብፅን ድማ ምስኡ ኸዱ። ኵላቶም ስድራ ዮሴፍን ኣሕዋቱን፥ ስድራ ኣቦኡንውን ምስኡ ኸዱ። ኣብ ምድሪ ጌሴም ቈልዑቶምን ኣባጊዖምን ከፍቶምን ጥራሕ ሓደጉ። ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ድማ ምስኡ ኸዱ፤ የመና ብዙሕ ህዝቢ እውን ነበረ። ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከዓ በፅሑ። ኣብኣ ድማ ንያእቆብ መሪር ብኽያት በኸዩሉ። ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ሸውዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበረሉ። እቶም ኣብታ ምድሪ ዝቕመጡ ከነዓናውያን ድማ፥ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ ዝኾነ መልቀስ ምስ ረአዩ፥ “እዙይ ዓብዪ መልቀስ ግብፃውያን እዩ” በሉ። ስለዙይ ከዓ “ኣቤል ሚስራይም” ደቂ ያእቆብ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩሉ። ንሳቶም ነቦኦም ፆይሮም ናብ ምድሪ ከነዓን ወሰድዎ፤ ኣብታ ኣብ መንፅር መምሬ ዘላ፥ ኣብርሃም ንርስቲ መቓብር ኢሉ ኻብ ኤፍሮን ኬጢያዊ ምስታ ግራት ዝዓደጋ፥ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ ቐበርዎ። ዮሴፍ ነቦኡ ምስ ቀበረ፥ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ነቦኡ ኽቐብሩ ምስኡ ዝኸዱ ዅላቶምን ናብ ግብፂ ተመለሰ። ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቦኣቶም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፥ “ምናልባሽ ዮሴፍ ተቐይሙና ኸይኸውን እሞ ኸም ኢድና ደኣ ኸይፈድየና!” ተበሃሃሉ። ንዮሴፍ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ለኣኹሉ፦ “ኣቦና ቕድሚ ሞቱ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙና ነይሩ። ‘እቲ ኣሕዋትካ ዝበደሉኻ ይቕረታ ኸም እትገብረሎም ሕድርኻ፥ በልዎ’ ኢሉና ነይሩ። ሕዚ ኸዓ ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ናይ ዝኾንና በደል ይቕረ ኽትብል፥ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ምስ ተዛረብዎ በኸየ። እቶም ኣሕዋቱ ድማ ኸይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ፤ “እንሆ ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ፥ “ኣይትፍርሑ፤ ኣነዶ ኣምላኽ እየ? ንስኻትኩም ንኽፉአይ ሓሰብኩም፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ ምእንቲ ኽገብርን፥ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኸድሕንን ንፅቡቕ ገበሮ። ሕዚ ኸዓ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ንኣኻትኩምን ንቘልዑኹምን ክቕልበኩም እየ” በሎም። ንልቦም ዘረጋግዕ ቓላት ብምዝራብ ከዓ ኣፀናንዖም። ዮሴፍ ምስ ኵሎም ቤተ ሰብ ኣቦኡ ኣብ ግብፂ ተቐመጠ። ዮሴፍ ክመውት እንተሎ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነበረ። ዮሴፍ ክሳዕ ሳልሳይ ትውልዲ፥ ደቂ ኤፍሬም ረአየ። ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኣብ እንዳ ዮሴፍ ተወሊዶም ኣብኡ ዓበዩ። ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም። ዮሴፍ ድማ ንደቂ ያእቆብ፥ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ እሞ፥ ነዕፅምተይ ካብዙይ ከም እትወስድዎ ግበሩ” ኢሉ ኣምሓሎም። ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብምዑዝ ቅብኢ ድማ ደረዝዎ፥ ኣብ ሳፁን ገይሮም ከዓ ኣብ ግብፂ ኣንበርዎ። ስም ነፍሲ ወከፍ እቶም መምስ ቤተ ሰቦም፥ ምስ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል እዙይ እዩ፦ ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን፥ ብንያም፥ ዳን፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር። ካብ ኣብራኽ ያእቆብ ዝተወለዱ ዅላቶም ሰብዓ ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን እቶም በቲ ዘመን እቱይ ዝተወለዱ ዅሎምን ከዓ ሞቱ። እቶም ካብኣቶም ዝተወለዱ እስራኤላውያን ግና ተፋረዩ፤ ሰሰኑ፤ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ እታ ምድሪ ግብፂውን ብኣኣቶም መልአት። ንሱ ድማ ንህዝቡ፥ “እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን። እምበኣርከስ ውግእ ምስ ዘልዕለልና ፀላኢ፥ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ከይወግኡና ኻብ እዛ ምድሪ እውን ከይወፁ፥ ንዑ የመና እንተይበዝሑ ንጣበበሎም” በሎም። ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ። ግና ብመጠን እቲ ዘጨነቑሎም ክንድኡ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ ግብፃውያን ድማ ንእስራኤላውያን ይፅየፉዎም ነበሩ። ግብፃውያንውን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣስርሕዎም። ብርቱዕ ስራሕ፥ ጭቃ ብምፅባርን ጡብ ብምስራሕን ብዅሉ ስራሕ ማሕረስን፥ ህይወት ከም ዝመሮም ገበሩ። ኣብ ኵሉ ዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ይጭክኑሎም ነበሩ። ንጉስ ግብፂ ድማ ነተን ንዕብራውያት ዘዋልዳ ሲፖራን ፉሓን ዝበሃላ ኸምዙይ በለን፦ “ነተን ዕብራውያት ኣንስቲ ኽተዋልደአን እንተለኽን፥ ወዲ እንተ ኾይኑ ቕተላኦ፤ ጓል እንተ ኾይና ግና ብህይወት ክትነብር ሕደጋኣ” በለን። እተን መዋለድቲ ግና ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ ነቶም ዝተወለዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፥ ከምቲ ንጉስ ግብፂ ዝበለን ኣይገበራን። እቲ ንጉስ ድማ ነተን መዋለድቲ ፀዊዑ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበርክን? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝተወለዱ ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓደግክናኦም?” በለን። እተን መዋለድቲ ኸዓ ንፈርዖን “እተን ዕብራውያት ከም ኣንስቲ ግብፃውያት ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን። እተን መዋለድቲ እንተይመፃአን ወሊደን እየን ዝፀንሓ” በላኦ። እግዚኣብሄር ድማ ነተን መዋለድቲ ሰናይ ገበረለን። እቲ ህዝቢ እውን በዝሐ፤ የመናውን በርትዐ። እተን መዋለድቲ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣባይቲ ገበረለን። ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ሓደ ኻብ ነገድ ሌዊ ዝኾነ ሰብኣይ፥ ከይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ። እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። እቲ ህፃን ፅቡቕ ምዃኑ ምስ ረአየት ከዓ፥ ሰለስተ ወርሒ ሓብአቶ። ካብዙይ ንደሓር ምሕብኡ ምስ ሰኣነት፥ ብሻምብቆ ዝተሰርሐ ሓደ ሳፁን ወሲዳ ብቕጥራንን ብእንዳዲዕን ለበጠቶ። ነቲ ህፃን ናብኡ ኣእትያ ድማ ኣብቲ ገምገም ሩባ ኣብ ዘሎ ሰልሰላ ኣንበረቶ። ሓፍቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ ርሕቕ ኢላ ደው በለት። ጓል ፈርዖን ከዓ ኽትሕፀብ ናብ ሩባ ወረደት፤ እተን ኣግራዳ ድማ፥ ወሰና ወሰን እቲ ፈለግ ይዛወራ ነበራ። እታ ጓል ፈርዖን ድማ ኣብ ማእኸል እቲ ሰልሰላ ሓደ ሳፁን ረአየት። ገረዳ ሰዲዳ ከዓ ኣምፅአቶ። ምስ ከፈተቶ ድማ ነቲ ህፃን ረአየቶ፤ እቲ ህፃን ይበኪ ስለ ዝነበረ ኸዓ ራህርሀትሉ እሞ “እዙይ ካብ ህፃናት ዕብራውያን እዩ” በለት። ሽዑ እታ ሓፍቱ፥ ነታ ጓል ፈርዖን “ካብተን ዕብራውያት ኣንስቲ፥ ነዝ ህፃን እዙይ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽፅውዐልኪ ክኸይድ?” በለታ። እታ ጓል ፈርዖን ከዓ “ኪዲ” በለታ። እታ ጓል ድማ ኸይዳ፥ ንእኖ እቲ ህፃን ፀውዐታ። እታ ጓል ፈርዖን ድማ “ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ኸዓ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣጥበወቶ። እቲ ህፃን ምስ ዓበየ ኸዓ ናብ ጓል ፈርዖን ኣምፅአቶ፤ ወዳ ድማ ኾነ። “ካብ ማይ ኣውፂአዮ እየ” እንትትብል ከዓ ሙሴ ዝብል ስም ኣውፅአትሉ። ናብዙይን ናብቱይን ግልፅ ኢሉ፥ ሰብ ከም ዘየለ ምስ ረአየ፥ ነቲ ግብፃዊ ቐተሎ፤ ኣብ ሑፃውን ደፈኖ። ንፅባሒቱ ድማ ወፀ፤ እንሆ ዕብራውያን ዝኾኑ ኽልተ ሰብኡት ክበኣሱ እንተለዉ ረአየ። ነቲ ዝዕምፅ ዝነበረ ኸዓ “ስለ ምንታይ ንሓውካ ትወቕዖ?” ኢሉ ጠየቖ። ንኻህን ምድያም ድማ ሸውዓተ ኣጓላት ነበራኦ። ኣባጊዕ ኣቦአን ከስትያ፥ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። ጓሶት ድማ መፂኦም ሰጐጕወን፤ ሙሴ ግና ተሲኡ ኣናገፈን፤ ኣባጊዐን ድማ ኣስተየለን። ናብ ኣቦአን ራጉኤል ንሳተን ድማ፥ “ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣናገፈና፤ ማይ ቀዲሑ ኸዓ ነባጊዕና ኣስተየልና” በላኦ። ኣቦአን ድማ ነተን ኣጓላት “ኣበይ ደኣ ኣሎ? ስለ ምንታይከ ነቲ ሰብ እቱይ ሓደግክናኦ? ሕዚ እውን እንጀራ ኽበልዕ ኺዳ ፀውዓኦ” በለን። ሙሴ ድማ ምስ ራጉኤል ክቕመጥ ደለየ። ንሱ ኸዓ ንጓሉ ሲፖራ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንሙሴ ሃቦ። ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፤ ሙሴ ኸዓ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” እንትብል ጌርሳም ዝብል ስም ኣውፅአሉ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንጉስ ግብፂ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከዓ ባርነት መሪሩዎም በኸዩ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ጠርዑ። እቲ ብዛዕባ ባርነቶም ዝገበርዎ ኣውያት ድማ ናብ እግዚኣብሄር ዓረገ። እግዚኣብሄርውን ኣውያቶም ሰምዐ። እግዚኣብሄር ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ቓል ኺዳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ተመልከተ፤ ኩነታቶምውን ፈለጠ። ሙሴ ድማ ኣባጊዕ ሓሙኡ ዮቶር ካህን ምድያም፥ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናዀብኰበን ናብ ምድረ በዳ፥ ናብቲ ደብሪ እግዚኣብሄር ተብሂሉ ዝፅዋዕ እምባ ኮሬብ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ማእኸል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተርኣዮ። ሙሴ ድማ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እንተይተቓፀለት ሃልሃል እንትትብል ረአያ። ንሱ ኸዓ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ከመይ ኢላ እያ ዘይትቃፀል? እስኪ ነዝ ዓብዪ ትርኢት እዙይ ቅርብ ኢለ ኽርኢ” በለ። ሙሴ ኸዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ። እግዚኣብሄር ድማ “ናብዙይ ኣይትቕረብ፤ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ። ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከይሪኦ ስለ ዝፈርሐ፥ ገፁ ኸደነ። እግዚኣብሄር ድማ “መከራ እቲ ኣብ ግብፂ ዘሎ ህዝበይ ሪአ ኣለኹ። ብሰንኪ እቶም ዘስርሕዎም ዘእውይዎ ዘለዉ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስቓዮምውን ፈሊጠ ኣለኹ። ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ። ሕዚ ድማ እንሆ፥ ኣውያት ደቂ እስራኤል ኣባይ ተሰሚዑ ኣሎ፤ እቲ ግብፃውያን ዝገፍዕዎም ዘለዉ ኸዓ ሪአ ኣለኹ። እምበኣር ሕዚ ነዓ፤ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽተውፅኦም፥ ናብ ፈርዖን ክልእኸካ እየ” በሎ። ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “ናብ ፈርዖን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፅእንከ፥ ኣነ መን እየ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ኣነ ብሓቂ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ እዙይ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኻዮ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ንእግዚኣብሄር ክተምልኹ ኢኹም” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ናባኻትኩም ልኢኹኒ። እዙይ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ በዝ ስም እዙይ ክዝከር እየ። ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ብርግፅ ተመልኪቱኩም እዩ፤ ነቲ ኣብ ግብፂ ዝገፍዑኹም ድማ ሪኡ ኣሎ፤ ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም። “እቶም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ቓልካ ኽሰምዑ እዮም። ንስኻን ንሳቶምን ናብ ንጉስ ግብፂ ኣቲኹም ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ተገለፀልና። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርብ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ ስደደና’ በልዎ። ግና ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ንጉስ ግብፂ ኽትከዱ ኸም ዘይሰደኩም እፈልጥ እየ። ስለዙይ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገብሮ ተኣምራት ንግብፂ ኽወቕዓ እየ፤ ብድሕሪኡ ኽሰደኩም እዩ። “ንኣኻትኩም ንህዝበይ ግና ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ክህበኩም እየ። ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ከዓ ጥራሕ ኢድኩም ኣይትወፁን ኢኹም። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ፥ ካብ ጐረቤታን ካብታ ኣብ ገዛኣ እትነብርን ‘ኣቕሓ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ትለምን።’ ነዙይ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎ፤ ከምዙይ ጌርኩም ንግብፃውያን ክትዘምትዎም ኢኹም።” ሙሴ ድማ “እንሆ ኣይኣምኑንን፤ ቃለይውን ኣይሰምዑን፤ ‘እግዚኣብሄር ኣይተገልፀልካን’ ክብሉኒ እዮም” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ?” በሎ። ሙሴ ድማ “በትሪ እያ” በለ። ንሱ ኸዓ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ሙሴ ድማ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ተመን ከዓ ኾነት። ሙሴ ድማ ኻብኣ ሃደመ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ከም ዝተርኣየካ ምእንቲ ኽኣምኑ ኢድካ ዘርጊሕኻ ብጭራኣ ሓዛ” በሎ። ሙሴ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ብጭራኣ ሓዛ፤ ኣብ ኢዱ ኸዓ በትሪ ኾነት። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ መሊሱ “ንኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ ኢዱ ኸም በረድ ዝፃዕደወት ለምፃም ኮነት። መሊሱ “ኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ንኢዱ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ካብ መንኰራርዕቱ ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ኣካሉ ኾነት። እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ዝገበርካዮ ቐዳማይ ምልክት እንተ ዘይኣሚኖም፥ ነቲ ኻልኣይ ምልክት ክኣምኑ እዮም። ነዝ ክልተ ምልክት እዙይ እንተ ዘይኣመኑ፥ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፥ ካብ ሩባ ማይ ውሰድ እሞ፥ ናብ ንቑፅ ምድሪ ኣፍስሶ። እቲ ኻብ ሩባ ዝወሰድካዮ ማይ ከዓ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ፥ ደም ክኸውን እዩ” በሎ። ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን ድዩ? በሃም ወይ ፀማም፥ ዝርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን ድዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን? ሕዚ ኸዓ ኺድ፤ ከም እትዛረብ ክገብረካ እየ፤ እቲ እትብሎውን ክምህረካ እየ” በሎ። ሙሴ ግና “በይዛኻ ጐይታ! ብኢድ እትልእኾ ሰብ ደኣ ለኣኽ” በሎ። ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ነደደ። ከምዙይ ድማ በሎ፦ “እቲ ሌዋዊ ሓውካ ኣሮን ኣሎዶ ኣይኮነን? ንሱ ፅቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ እየ። እንሆ ንሱ ኽራኸበካ ይመፅእ ኣሎ። ምስ ረአየካ ድማ ኽሕጐስ እዩ። ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፤ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ድማ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ክኸውን እየ፤ እቲ እትገብርዎውን ክምህረኩም እየ። ንሱ ኽንዳኻ ንህዝቢ ኽዛረቦም እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ ንሱ ኣፍ ክኾነካ እዩ፤ ንስኻ ድማ ኽንዲ እግዚኣብሄር ክትኮኖ ኢኻ። ነዛ ተኣምራት እትገብረላ በትርውን ብኢድካ ሒዝካ ኺድ።” ሙሴ ናብ ሓሙኡ ዮቶር ተመሊሱ “ናብቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፥ ገና ብህይወት እንተ ሃልዮም ክርኢ ክኸይድ ፍቐደለይ” በሎ። ዮቶር ድማ ብሰላም ኪድ በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኣብ ምድያም፥ “ኵሎም እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩዋ ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም እዮም እሞ፥ ኪድ ናብ ግብፂ ተመለስ” በሎ። ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ግብፂ ምስ ተመለስካ፥ ነተን ክትገብረን ኢለ ዝሃብኩኻ ዅለን ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ክትገብረን ከም ዘለካ ፍለጥ። ኣነ ግና ንልቢ እቲ ንጉስ ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኣይሰዶን እዩ። ንንጉስ ፈርዖን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ። ምእንቲ ኸገልግለኒ ድማ ንወደይ ክኸይድ ስደዶ ኢለካ ነይረ፤ ንስኻ ግና ምስዳድ ኣበኻ። እንሆ እምበኣር ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ኽቐትሎ እየ።” ኮነ ድማ፥ ሙሴ ኣብ መንገዲ ኣብ ዝሓደረሉ ቦታ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፤ ክቐትሎውን ደለየ። ሽዑ ሲፖራ ፅንፅልሒት ወሲዳ ወዳ ገረዘት፤ ንሙሴ ኸዓ “ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” እናበለት ናብ እግሩ ደርበየቶ። እግዚኣብሄር ከዓ ካብኡ ድሕር በለ፤ ሽዑ ኸዓ እያ ስለ ግርዘቱ “ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” ዝበለት። እግዚኣብሄር ከዓ ንኣሮን “ኪድ እሞ ንሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ተራኸቦ” በሎ። ኣሮን ከዓ ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር ከይዱ ተራኸቦ፤ ሰዓሞውን። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ክዛረቦ ኢሉ ዝለኣኾ ቓልን፥ ብዛዕባ እቲ ግበሮ ኢሉ ዝኣዘዞ ተኣምራትን፥ ንኣሮን ነገሮ። ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኸይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከብዎም። ኣሮን ድማ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተዛረቦ ነገሮም። ሙሴ ኸዓ ነቲ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ። ድሕሪዙይ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርዖን ኣትዮም “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣብ ምድረ በዳ በዓል ክገብሩለይ ንህዝበይ ስደዶም’ ይብል ኣሎ” በልዎ። ፈርዖን ድማ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶምስ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፤ ንእስራኤል ከዓ ኣይሰዶን እየ” በሎም። ሙሴን ኣሮንን ድማ “ኣምላኽ ዕብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፥ ፌራ ወይ ውግእ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኼድና፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርበሉ፥ ፍቐደልና” በልዎ። ንጉስ ግብፂ ኸዓ “ንስኻትኩም ሙሴን ኣሮንን! ስለ ምንታይ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ስራሑ ተብኵርዎ ኣለኹም? ናብ ስራሕኹም ኪዱ” በሎም። ፈርዖን ድማ ኣስዒቡ “እንሆ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብዛ ሃገር በዚሑ ኣሎ፤ ካብ ስራሖም ከዓ ተብኵርዎም ኣለኹም” በሎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ፈርዖን ነቶም ኣዘዝቶምን ነቶም ኣሕሉቕ ዝኾኑን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ደጊም ባዕልቶም ከይዶም ሓሰር ይኣክቡ እምበር፥ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም፥ ንመስርሒ ጡብ ዝኸውን ሓሰር ኣይትሃብዎም። ብዝሒ ጡብ ግና፥ ከምቲ ቐደም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኣስርሕዎም እምበር፥ ካብኡ ሓንቲ እኳ ኣየጕድሉ። ‘ንኣምላኽና ኽንስውእ ክንከይድ ስደደና’ እናበሉ ዝጠርዑ ዘለዉ ስራሕ ስለ ዝሰልከዮም እዩ እሞ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ዘረባ ሓሰት ምእንቲ ኸየቕልቡ ስራሕ ኣኽብዱሎም፤ ካብ ስራሕውን ፈንተት ኣይተብልዎም” በሎም። እቶም ኣዘዝቶምን እቶም ኣሕሉቖምን ወፂኦም ነቶም ህዝቢ፦ “ፈርዖን ከምዙይ ይብል፦ ‘ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፤ ናብቲ ኽትረኽቡሉ እትኽእሉ ቦታ ኼድኩም ባዕልትኹም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ስራሕኹም ግና ሓደኳ ኣይጕደል’ ” በልዎም። በዝ ምኽንያት እዙይ፥ እቲ ህዝቢ ሓሰር ክእክብ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ፋሕ በለ። እቶም ኣዘዝቶም ድማ “እቲ ነንመዓልቱ ዝተመደበ ስራሕ፥ ከምቲ ሓሰር እንትወሃበኩም እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ነንመዓልቱ ኣማልኡ” እናበሉ ኣዳፍእዎም። እቶም ኣዘዝቶም ናይ ንጉስ ተቘፃፀርቲ ኸዓ፥ ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ክኾኑ ዝሾምዎም ደቂ እስራኤል፥ “እቲ ዝተመደበልኩም ስራሕ ጡብ ትማልን ሎምን ደኣ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘየማላእኹም?” እናበሉ ገረፍዎም። እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ከዓ ናብ ፈርዖን ከይዶም “ስለ ምንታይ ንኣና ንኣገልገልትኻ ኸምዙይ ትገብረና ኣለኻ? ሓሰር ኣይህቡናን፤ ጡብ ከዓ ኸምቲ ናይ ቀደምኩም ግበሩ ይብሉና። እንሆ ድማ ንሕና ኣገልገልትኻ ተገረፍና። በዲሎም ዘለዉ ግና ህዝብኻ እዮም” እናበሉ ጠርዑ። ንሱ ግና “ሃካያት! ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም። ‘ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ክንከይድ ስደደና’ ትብሉ ዘለኹምውን በዝ ምኽንያት እዙይ ኢኹም። ሕዚ ድማ ኺዱ ስርሑ፤ ሓሰር ኣይወሃበኩምን እዩ፤ እቲ ምዱብ ቍፅሪ ጡብ ክተማልኡ ግና ግድን እዩ” በሎም። እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ድማ “ካብቲ ንመዓልቲ ዝተመደበ ቝፅሪ ጡብ ኣይተጕድሉ” ምስ ተብሃሉ መከራ ኸም ዝፀንዖም ተረድኡ። ካብ ፈርዖን ክወፁ እንተለዉ ኸዓ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚኣቶም ቆይሞም ተራኸብዎም። ንሳቶምውን “ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ሹመኛታቱን ጨናና ኣኽፋእኹም፤ ክቐትሉናውን ሰይፊ ናብ ኢዶም ኣዕቲርኩምዎም ኢኹምሞ እግዚኣብሄር ይርአኹም፤ ንሱውን ይፍረድኩም” በልዎም። ሙሴ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፦ “ኦ ጐይታ! ነዝ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣኽፋእኻሉ? ንኣይከ ስለ ምንታይ ነዙይ ክገብር ለኣኽካኒ? ካብታ ናብ ፈርዖን ከይደ ብስምካ ዝተዛረብኩላ ዕለት፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣጨነቐሉ፤ ንስኻ ድማ ንህዝብኻ ኸቶ ኣየድሓንካዮን” በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፤ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ‘ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ብዝብል ስም እየ ዝተገለፅኩሎም። ‘እግዚኣብሄር’ ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ምድሪ ከነዓን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም እየ። ሕዚ ድማ፥ ግብፃውያን ባሮት ገይሮም ናይ ዝገዝእዎም ደቂ እስራኤል ብኽያት ሰሚዐ ኺዳነይ ዘከርኩ።” ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ። ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም። ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ። ሙሴ ኸዓ፥ ንደቂ እስራኤል እዝ ዅሉ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጭንቂ ህይወቶምን ካብ ክብደት ስራሕን ዝተልዓለ ኣይሰምዕዎን። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ናብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ኣቲኻ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ንኽወፁ ኽሰዶም ንገሮ” በሎ። ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ “ኣነ ኣፈ ፀያፍ እየ፤ እንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስ፥ ፈርዖን ግዳ ኸመይ ገይሩ ኽሰምዐኒ” ኢሉ መለሰ። እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ተናገሮም፤ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም ንኽነግርዎ ኣዘዞም። ኣሕሉቕ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ እቲ በዅሪ እስራኤል ዝኾነ ሮቤል፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን ከርሚ እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ሮቤል እዮም። ደቂ ስምኦን ድማ፥ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ስምኦን እዮም። ደቂ ጌድሶን በብማይ ቤቶም ሎቤኒ፥ ሰሜኢ እዮም። ደቂ ቀዓት ድማ እንበረም፥ ይሰዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም። ቀዓት ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ። ደቂ ሜራሪ ኸዓ ሞሖሊን ሙሲን እዮም። እዚኣቶም በብዓሌቶም ማይ ቤት ሌዊ እዮም። እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ደቂ ይሳኮር ከዓ፥ ቆሬ፥ ናፌግ፥ ዝክሪ እዮም። ደቂ ዑዝኤል ከዓ፥ ሚሳኤል፥ ኤልዳፋን፥ ስትሪ እዮም። ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ። ደቂ ቆሬ ድማ ኣሴር፥ ሕልቃና፥ ኣብያሳፍ እዮም። እዚኣቶም ቤተ ሰብ ቆሬ ነበሩ። እዚኣቶም በብቤተ ሰቦም ኣሕሉቕ ኣቦታት ሌዋውያን ነበሩ። እቶም እግዚኣብሄር “ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅእዎም” ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ኣሮንን ሙሴን፥ እዚኣቶም እዮም። እቶም ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅእዎም፥ ምስ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ዝተዛረቡ፥ ሙሴን ኣሮንን፥ እዚኣቶም እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ። “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ እዝ ዅሉ ኣነ ዝዛረበካ፥ ንንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንገሮ” በሎ። ሙሴ ግና ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ ኸንፈረይ ዘይተገርዘ እዩ፤ ፈርዖን ደኣ ኸመይ ይሰምዐኒ?” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣምላኽ ፈርዖን ገይረካ እየ፤ ኣሮን ሓውካውን ነቢይ ይኹንካ። ንስኻ እቲ ኵሉ ዝእዝዘካ ዘለኹ ንገሮ፤ ኣሮን ሓውካ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኽሰዶም ንፈርዖን ይንገሮ። ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ምልክታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ። ፈርዖን ግና ኣይሰምዐኩምን እዩ። ሽዑ ኣነ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኽገብር እየ። ንሰራዊተይ፥ ነቶም ህዝበይ ዝኾኑ ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዓቢዪ ፍርዲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እየ። ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።” ሙሴን ኣሮንን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ምስ ፈርዖን ክዛረቡ እንተለዉ ሙሴ ወዲ ሰማንያ ዓመት፥ ኣሮን ከዓ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ “ፈርዖን ‘ተኣምራት ኣርእዩኒ’ እንተበለኩም፥ ንኣሮን ‘በትርኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ’ በሎ። ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ።” ሙሴን ኣሮንን ከዓ ናብ ፈርዖን ኣትዮም፥ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን መኳንንቱን በትሩ ደርበየ፤ ተመንውን ኮነት። ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፤ ኣትማንውን ኮና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣብትርቶም ወሓጠተን። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ልቢ ንጉስ ተሪሩ እዩ። ነቲ ህዝቢ ኸይሰዶ ኸዓ ኣብዩ ኣሎ። እንሆ፥ ፅባሕ ንግሆ ፈርዖን ናብ ሩባ ክኸይድ እንተሎ፥ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ሒዝካ፥ ኣብቲ ገምገም ሩባ ደው ኢልካ ፅንሓዮ። ሽዑ ኸዓ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን፥ ንህዝበይ ኣብ ምድረ በዳ ኸገልግሉኒ ክኸዱ ስደዶም፤ ክብለካ ናባኻ ለኣኸኒ፤ እንሆ ድማ ኽሳዕ ሕዚ ኣይሰማዕኻን። እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዙይ ክትፈልጥ ኢኻ፦ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ሩባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። እቲ ማይ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። እቶም ኣብ ሩባ ዘለዉ ዓሳታት ክሞቱ እዮም፤ እቲ ሩባ ድማ ኽጨኑ እዩ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ ማይ ምስታይ ክፍንፍኑ እዮም።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ‘በትርኻ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ማያት ግብፂ፥ ኣብ ልዕሊ ወሓይዝቶምን ሩባታቶምን ቀላያቶምን መዕቘሪ ማዮምን ዘርግሕ’ ኢልካ ንገሮ። ሽዑ ዅሉ እቲ ማይ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። ኣብ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግብፂ ደም ክኸውን እዩ።” ሙሴን ኣሮንን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ከዓ በትሩ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ መኳንንቱን ነቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ከዓ ናብ ደም ተለወጠ። እቶም ኣብ ሩባ ዝነበሩ ዓሳታት ድማ ሞቱ፤ እቲ ሩባውን ጨነወ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ፥ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ደም ኮነ። እቶም ኣስማተኛታት ግብፂ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን። ፈርዖን ነዙይ ኣይተገደሰሉን፤ ተመሊሱውን ናብ ቤቱ ኣተወ። ነቲ ማይ ሩባ ኽሰትይዎ ስለ ዘይከኣሉ ድማ ዅላቶም ግብፃውያን ዝስተ ማይ ደልዮም ኣብ ዙርያ እቲ ሩባ ሸኻ ዀዓቱ። እግዚኣብሄር ነቲ ሩባ ኻብ ዝወቕዖ ሸውዓተ መዓልቲ ሓለፈ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ፈርዖን ኬድካ ‘ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም። እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፥ እንሆ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብመቕሰፍቲ ጭንቍራዕ ክወቕዓ እየ። እቲ ሩባ ድማ ብጭንቍራዕ ፈኽፈኽ ክብል እዩ። ካብቲ ሩባ ወፂአን ድማ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ቤት መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ ንፅባኻን ኽኣትዋ እየን። ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም መኳንንትኻን ጭንቍራዕ ክድይባኹም እየን’ በሎ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ሒዝካ ናብ ልዕሊ ወሓይዝትን መስኖታትን ቀላያትን፥ ኢድካ ዘርግሕ፤ ንሃገር ግብፂ ድማ ጭንቍራዕ ከም ዝመልኦ ግበር’ ኢልካ ንገሮ” በሎ። ኣሮን ከዓ ናብ ልዕሊ ማያት ግብፂ ኢዱ ዘርግሐ፤ እተን ጭንቍራዓት ድማ ወፂአን ንምድሪ ግብፂ ኸደናኦ። እቶም ኣስማተኛታት ከዓ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ናብ ምድሪ ግብፂውን ጭንቍራዓት ኣውፅኡ። ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም። ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስሎ ኸቶ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ክርሕቓ፥ ኣብቲ ሩባ ጥራሕውን ክውሰና እየን” በሎ። ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ፈርዖን ወፁ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርዖን ዘምፅአን ጭንቍራዓት ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ። እተን ኣብ ኣባይትን ኣብ ቅፅርን ኣብ በረኻን ዝነበራ ጭንቍራዓት ሞታ። እናኣከቡ ድማ ዀመርወን። እታ ምድሪ ኸዓ ጨነወት። ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ዘርግሕ፤ ነቲ ሓመድ ምድሪ ውቕዓዮ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ቓርማ ክኸውን እዩ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ። ከምኡ ኸዓ ገበሩ። ኣሮን ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ሓመድ ብበትሩ ወቕዖ፤ ንሰብን ንኸብትን ድማ ቃርማ ወረሮ። እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ቃርማ ኸውፅኡ ፈተኑ፤ ግና ኣይከኣሉን፤ እቲ ቃርማውን ንሰብን ንኸፍትን ወረሮ። እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ እንትወርድ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸገልግለኒ ንህዝበይ ክኸይድ ስደድ። ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮ ግና እንሆ ናባኻን ናብ መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ዕስለ ፅንፅያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብፃውያንን እታ ዝነብሩላ ምድርን ከዓ ብዕስለ ፅንፅያ ኽመልኣ እየን በሎ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ዕስለ ፅንፅያ ዘይብላውን ክገብራ እየ። ኣብ መንጎ ህዝበይን ህዝብኻን ፍልልይ ክገብር እየ። እዝ ምልክት እዙይ ፅባሕ ክኸውን እዩ ይብል ኣሎ ድማ በሎ።” እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ናብ ቤት ፈርዖንን ናብ ቤት ኣገልገልቱን ኣብ ኵሉ ሃገር ግብፂ፥ ብዙሕ ዕስለ ፅንፅያ ወረረ። እታ ምድሪ ድማ ብፅንፅያ ተበላሸወት። ሽዑ እቲ ንጉስ ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ኪዱ፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዄንኩም ንኣምላኽኩም መስዋእቲ ሰውኡ” በሎም። ሙሴ ግና “እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እነቕርቦ መስዋእቲ ንግብፃውያን ርኽሰት እዩ፤ ስለዙይ ኣብዙይ ክንስውእ ግቡእ ኣይኮነን። እቲ ንግብፃውያን ርኽሰት ዝኾነ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ሰዋእና ብእምኒ ቐጥቂጦምዶ ኣይቐትሉናን? ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዝዘና ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኽንከይድ ኢና” በሎ። ፈርዖን ከዓ “ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡሉ ኽትከዱ ኽሰደኩም እየ፤ ሕዚ ግና ፀልዩለይ” በሎም። ሙሴ ኸዓ “እንሆ ኻባኻ ውፅእ ምስ በልኩ ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ እየ፤ እቲ ፅንፅያ ኸልቢውን ኻባኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ፅባሕ ከግልስ እዩ። ንስኻ ግና ነቲ ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ምስዳድ ከይትኣቢ፤ መሊስካ ኸዓ ኸይተዐሽወና” በሎ። ሙሴ ኸዓ ኻብ ፈርዖን ወፂኡ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ፤ ነቲ ፅንፅያ ኸልቢ ኸዓ፥ ካብ ፈርዖንን ካብ ኣገልገልቱን ካብ ህዝቡን ኣርሓቐ። ፅንፅያ ኸልቢ ዝብልዎ ድማ ጠፍአ። ሕዚ እውን ፈርዖን ልቡ ኣትረረ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ኣይሰደዶምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብ ፈርዖን ኣቲኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም። ኣይሰድድን ኢልካ እንተ ኸልኪልካዮም ግና፥ እንሆ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ኣብ በረኻ ኣብ ዘለዋ ጥሪትካ፥ ኣብ ኣፍራስ፥ ኣብ ኣእዱግ፥ ኣብ ኣግማል፥ ኣብ ከፍትን ኣብ ኣባጊዕን፥ ብርቱዕ መቕሰፍቲ ኽወርድ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ጥሪት እስራኤልን ኣብ መንጎ ጥሪት ግብፃውያንን ፍልልይ ክገብር እዩ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ከዓ ሓንቲ እኳ ኣይትመውትን እያ።” እግዚኣብሄርውን ፅባሕ ነዝ ነገር እዙይ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ ክገብሮ እዩ ኢሉ ጊዜ ወሰነ። ንፅባሒቱ ኸዓ እግዚኣብሄር ነዝ ነገር እዙይ ገበሮ። ኵለን ጥሪት ግብፂ ድማ ሞታ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። ፈርዖን ድማ ለኣኸ፤ እንሆ ኸዓ ኻብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ነቲ ህዝቢ እውን ኣይሰደዶን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ካብ እቶን፥ ሓሙዅሽቲ በእዳውኩም ሓፊንኩም ውሰዱ፤ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ናብ ሰማይ ኣቢሉ የዝርዎ። ንዅላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣቦራ ክኸድና እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ዘለዉ ሰብን ጥሪትን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ኽወፆም እዩ” በሎም። ኣብቶም ኣስማተኛታትን ኣብ ኵሎም ግብፃውያንንውን ግዝዋ ወፀ። እቶም ኣስማተኛታትውን ብሰንኪ እቲ ቝስሊ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ምባል ሰኣኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ኣንጊህኻ ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ከዓ ደው በል እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም። እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ። ሕዚ እውን፥ ኢደይ ዘርጊሐ ንኣኻን ንህዝብኻን ብፌራ ምወቓዕኹኹም ነይረ፤ ንስኻውን ካብ ምድሪ ምጠፋእኻ ኔርኻ። ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር ኣልዒለካ ኣለኹ። ሕዚ እውን ከይትሰዶም ገናዶ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ? እምበኣር ፅባሕ በዛ ሰዓት እዚኣ፥ ግብፂ ኻብ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ኽሳዕ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ፥ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ። ስለዙይ ሕዚ ልኢኽካ እንስሳኻን ኣብ በረኻ ዘሎ ሃብትኻን ናብ ገዛ ኣክብ። ኣብቶም ኣብ ገዛ ዘይኣተዉን ኣብ በረኻ ዘለዉ ዅሉ ሰብን እንስሳን በረድ ክወርድ እዩ እሞ ኽሞቱ እዮም።” ካብ መኳንንቲ ፈርዖን ኵሎም እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ ሰቦምን እንስሳኦምን ናብ ኣባይቲ ኣህደሙ። እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሸለል ዝበሉ ድማ ሰቦምን እንስሳኦምን ኣብ በረኻ ሓደጉ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፥ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ እንስሳን ናብ ልዕሊ ዅሉ በቝሊ ገራሁን በረድ ክወርድ እዩ” በሎ። ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነጐድጓድን በረድን ሰደደ፤ ሓዊ ኸዓ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብፂ በረድ ኣዝነመ። በረድ ድማ ነበረ፤ ኣብ ማእኸል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ሰብ ኣብ ግብፂ ኻብ ዝነብር ጀሚሩ ተርእዩ ዘይፈልጥ በረድ ወረደ። እቲ በረድ ከዓ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ኣብ በረኻ ንዘሎ ዅሉ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዐ፤ ንዝነበረ በቝሊ ግራውቲ ኣጥፍአ፤ ንዅሉ ኣእዋም በረኻ ኸዓ ሰባበሮ። ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነብርዋ ምድሪ ጌሴም ጥራሕ በረድ ኣይዘነመን። ፈርዖን ከዓ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ፀውዖም። “ኣነ በዲለ እየ፤ እግዚኣብሄር ግና ፃድቕ እዩ፤ ኣነን ህዝበይንውን ሓጢኣተኛታት ኢና። ናይ ኣምላኽ ነጐድጓድን በረድን በዚሑ እዩሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀልዩ፤ ክሰደኩም እየ፤ ደጊም ኣብዙይ ኣይትቕመጡን ኢኹም” በሎም። ሙሴ ኸዓ “ካብ ከተማ ምስ ወፃእኹ፥ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ፤ ሽዑ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፍለጥ፥ እቲ ነጐድጓድ ክሓድግ እዩ፤ በረድውን ኣይወርድን። ንስኻን መኳንንትኻን ግና ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዘይትፈርሑ እፈልጥ እየ” በሎ። ስገም ሸዊቱ፥ እንጣጢዕውን ፈርዩ ነበረ እሞ ጠፍአ። ስርናይን ዓረስን ግና፥ ጊዜኡ ገና ነበረሞ ኣይተወቕዐን። ሙሴ ድማ ኻብ ፈርዖን ተፈልዩ ኻብ ከተማ ወፀ፤ ኣእዳዉ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሐ፤ ነጐድጓድን በረድን ድማ ሓደገ፤ እቲ ናብ ምድሪ ዝወርድ ዝነበረ ዝናም ከዓ ኣቋረፀ። ፈርዖን ከዓ ዝናምን በረድን ነጐድጓድን ከም ዝሓደገ ምስ ረአየ፥ ደጊሙ በደለ፤ ንሱን መኳንንቱንውን ልቦም ኣትረሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ሙሴ ዝበሎ ድማ፥ ልቢ ፈርዖን ተረረ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ኸይኸዱ ኸልከሎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ምልክታተይ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽገብር፥ ንልቢ ፈርዖንን ንልቢ መኳንንቱን ኣትሪረዮ እየ እሞ፥ ናብ ፈርዖን እቶ። እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ግብፃውያን ዘውረድክዎ መዓትን፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታተይን፥ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ኣብ እዝኖም ክትነግርዎም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ” በሎ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም። ንህዝበይ ክኸዱ እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፥ እንሆ ፅባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምፅእ እየ። እቲ ኣንበጣ ኸዓ ንምድሪ ኸም ዘይትረአ ገይሩ ኽሽፍና እዩ። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ። ንዅለን ኣብ በረኻ ዝበቘላ ኣእዋም ከዓ ኽበልዐን እዩ። ንቤትካን ንኣባይቲ ዅሎም መኳንንትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ግብፃውያንን ብኣኣቶም ክመልአን እዩ። እዙይ ኣቦታትካን ኣባሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ዝቕመጡ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሪኦምዎ ዘይፈልጡ እዩ’ ይብል ኣሎ” በልዎ። ሙሴ ተመሊሱ፥ ካብ ፈርዖን ወፀ። መኳንንቱ ድማ ንፈርዖን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዕንቅፋት ዝኾነና? ነዞም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከገልግሉ ስደዶም። ግብፂ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ?” በልዎ። ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርዖን መለስዎም። ንሱ ድማ “ኪዱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፤ እቶም ዝኸዱ ግና መነመን ከም ዝኾኑ ንገሩኒ” በሎም። ሙሴ ድማ፥ “ንእግዚኣብሄር በዓል ክንገብረሉ ኢና እሞ፥ ምስ ኣናእሽቱናን ዓበይትናን፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን፥ ኣጣልናን ኣባጊዕናን ከፍትናን ኢና እንኸይድ” በሎ። ፈርዖን ድማ “ኪዱ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን፤ ክፍኣት ከም ዝሓሰብኩም ግሁድ እዩ። ግና ምስ ደቅኹምን ምስ ኣንስትኹምን ኣይሰደኩምን። ከምዙይ ኣይኾንን፤ ሰብኡት ጥራሕ ኪዱሞ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ እቲ እትልምንዎ ዝነበርኩም ከዓ ንሱ እዩ” በሎም። ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ሰጐጕዎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንምድሪ ግብፂ ኣንበጣ ምእንቲ ኽሽፍኖ እሞ፥ ንዅሉ በቝሊ ምድርን፥ ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉን ክበልዕስ፥ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሕ” በሎ። ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን፥ ብምልእታ እታ ለይቲ እቲኣን፥ ናብታ ምድሪ ንፋስ ምብራቕ ኣምፅአ። ምስ ወግሐ ድማ እንሆ እቲ ንፋስ ምብራቕ፥ ኣንበጣ ኣምፅአ። እቲ ኣንበጣ ኸዓ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብፂ ወፀ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ የመና ብዙሕ ኣንበጣ ነበረ። ቅድሚኡ ኽንድኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ተርእዩ ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይረአን እዩ። ምድሪ ኽሳዕ እትፅልምት ንዅላ ምድሪ ሸፈና። ንዅሉ በቝሊ ምድርን ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ፍረ ኦምንውን በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ኦም ወይ ኣብ በቝሊ ግራት፥ ምንም ለምዒ ኣይተረፈን። ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ። ሕዚ ግና ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራሕ በይዛኻትኩም በደለይ ይቕረ በሉለይ። ነዝ ሞት እዙይ ካባይ ከርሕቐለይ ጥራሕ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑለይ” በሎም። ሙሴ ኸዓ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ወፂኡ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ድማ ኣውሎ ንፋስ ምዕራብ ኣምፅአ። ነቲ ኣንበጣ ኸዓ ፀራሪጉ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን። እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ክኸዱ ኣይሰደዶምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ፥ ሰብ ዝድህስሶ ግብ ዝበለ ፀልማት ይኹን” በሎ። ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ንሰለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮነ። ንሰለስተ መዓልቲ ንብፃዩ ኽርኢ፥ ወይ ካብ ምቕማጡ ኽትስእ ዝኸኣለ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብቲ ዅሎም ደቂ እስራኤል ዝተቐመጥዎ ግና ብርሃን ነበረ። ፈርዖን ድማ ንሙሴ ፀዊዑ “ኪዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ኣባጊዕኹምን እንስሳኹምን ጥራሕ ደኣ ይትረፋ እምበር፥ ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ምሳኻትኩም ይኺዱ” በሎ። ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንስኻዶ ኽትህበና ዄንካ? እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውአሉ ኻብኣተን ስለ እንወስድ፥ ሓንቲ ሸኰና እኳ እንተይተረፈት ኵለን እንስሳና ምሳና ክኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብታ እንስውአላ ኽሳዕ እንበፅሕ ንእግዚኣብሄር እንታይ ከም እንስውአሉ ኣይንፈልጥን ኢና” በሎ። እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ኽሰዶም ኣይፈተወን። ፈርዖን ድማ “ሙሴ ኻባይ ኪድ ረሓቕ! መሊስካ ገፀይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ። እንሆ በታ ገፀይ እትሪአላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ” በሎ። ሙሴ ኸዓ መሊሱ “ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። ደጊም ገፅካ ኣይርእን እየ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ግብፅን ገና ሓደ መዓት ከምፅእ እየ። ብድሕሪኡ ፈርዖን ካብዙይ ክትወፁ ኽሰደኩም እዩ። ክሰደኩም ጥራሕ ዘይኮነ ውፁለይ ኢሉውን ኽሰጐኩም እዩ። ሕዚ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጐረቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ካብ ጐረቤታ፥ ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኽልምኑ ኣብ ኣእዛኖም ንገሮም” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ሃቦ። ሙሴውን ኣብ ሃገር ግብፂ፥ ኣብ ቅድሚ ኣገልገልቲ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን የመና ዓብዪ ሰብ ነበረ። ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ፍርቂ ለይቲ ብግብፂ ኽሓልፍ እየ። ኣብ ሃገር ግብፂ ዘሎ ኵሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ንጉስ ፈርዖን ክሳዕ በዅሪ እታ ኣብ እግሪ መጥሐን ዘላ ኣገልጋሊት ክሞቱ እዮም። ኵሉ በዅሪ እንስሳውን ክመውት እዩ። ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ተርእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዋይ ዋይታ ክኸውን እዩ። ኣብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ግና፥ ኣብ ሰብ ኮነ ኣብ እንስሳ፥ ከልቢ እኳ መልሓሱ ኣየዋሳውሰሎምን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልልይ ከም ዝገበርኩ ኸዓ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ” በለ። ሙሴ ኸዓ ኣስዒቡ “ኵሎም እዞም ኣገልገልትኻ ናባይ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶም ድማ፥ ‘ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውፃእ’ ኢሎም ክልምኑኒ እዮም። ሽዑ ኸዓ ኽንወፅእ ኢና” በለ። ብድሕሪኡ ሙሴ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብ ፈርዖን ወፀ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣነ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብፂ ምእንቲ ኸብዝሕ፥ ፈርዖን ኣይሰምዐኩምን እዩ” በሎ። ሙሴን ኣሮንን ከዓ ነዝ ዅሉ ተኣምራት እዙይ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኸይኸዱ ኸልከሎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም፥ ናይ ዓመት መጀመርታ ወርሒ ትኹንኩም። ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ ኢልኩም ንገርዎ፦ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ ስድራ፥ ነንቤት ሓደ በጊዕ ይውሰድ። እቶም ስድራ ሓደ በጊዕ በሊዖም ክውድኡ ዘይኽእሉ ውሑዳት እንተ ኾይኖም፥ ምስቲ ዝቐረበ ጐረቤቶም ኮይኖም ሓደ በጊዕ ይውሰዱ። እቶም ሰባት ይቈፀሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ዝበልዖ መጠን ተመቒሉ ኸዓ ነቲ በጊዕ ሓቢሮም ይብልዕዎ። እቲ እትመርፅዎ እንስሳ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ነውሪ ዘይብሉ ተባዕታይ በጊዕ ወይ ጤል ይኹን። ክሳዕ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኸዓ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክመሲ እንተሎ ይሕረዱ። ናይታ ዝበልዑላ ቤት ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ካብቲ ደም ወሲዶም ይቕብእዎ። ነቲ ስጋኡ ድማ ብሓዊ ጠቢሶም ብቕጫን መሪር ሓምልን ገይሮም በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ። ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዕዎ እምበር፥ ካብቲ ጥረ ስጋ ኾነ፥ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ። ካብኡ ድማ ኽሳዕ ንግሆ ሓደ እኳ ኣይተትርፉ። ክሳዕ ንግሆ ዝኾነ እንተ ተረፈ ግና ብሓዊ ኣቃፅልዎ። ክትበልዕዎ እንተለኹም ከዓ ሕቘኹም ተዓጢቕኩም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኣእቲኹም፥ ኣብትርትኹም ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ እዩ። “በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ። ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ። “ንሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ብዅዕ ካብ ኣባይትኹም ክተውፅእዎ ኢኹም። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዝበዅዐ ዝበልዕ ሰብ ከዓ ኻብ ህዝቢ እስራኤል ተፈልዩ ይወገድ። ብቐዳመይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። በዘን መዓልቲታት እዚኣተን እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዝኣክል ናይ ዕለት ምግቢ ምቕራብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትስርሑ። “ንዅሉ ሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ በዛ መዓልቲ እዚኣ እየ ዘውፃእኽዎም እሞ፥ ንበዓል ቅጫ ኣብዕልዋ። ንውሉድ ወለዶ፥ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሓልውዋ። በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፥ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ቅጫ ብልዑ። ጓና ኾነ ወዲ ዓዲ ብዅዕ ዝበልዐ ዅሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። በተን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ብዅዕ ኣይረኸብ። ብዅዕ ዝኾነ ነገር ኣይትብልዑ፤ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ” በሎም። ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ፀዊዑ “ነንስድራኹም ዝኸውን ጡበት በጊዕ ሓሪኹም ውሰዱ እሞ፥ በጊዕ ፋሲካ ሕረዱ። ዕትሪ ስምዕዛ ውሰዱ፤ ኣብቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ከዓ ጥምዕዎ፤ ነቲ ላዕለዋይ ድርኵዂትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን፥ በቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ንግሆ ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ገዛኡ ኣይውፃእ። እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል ክሓልፍ እዩ። ነቲ ደም ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን፥ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረአየ ኸዓ ነታ በሪ ኽሓልፋ እዩ፤ እቲ መጥፍኢ ናብ ገዛኹም ኣትዩ ኽወቕዐኩም ኣይሓድጎን። “ነዝ ስርዓት እዙይ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ሓልውዎ። ናብታ እግዚኣብሄር ክህበኩም እየ ኢሉ ዘተስፈወኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ነዝ ስርዓት እዙይ ከምቲ ዝኣዘዘኩም ጌርኩም ሓልውዎ። ደቅኹም ‘እዝ ስርዓት እዙይ እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኹም፥ ‘እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል እንተሎ፥ ኣብ ግብፂ ንኣባይቲ ደቂ እስራኤል ስለ ዝሓለፈ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝውፈ መስዋእቲ ፋሲካ እዩ’ በልዎም” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ። ሽዑ ፈርዖንን ኵሎም መኳንንቱን፥ ኵሎም ግብፃውያንን ብለይቲ ተስኡ። ምዉት ዘይብላ ገዛ ኣይነበረትን እሞ፥ ኣብ ግብፂ ዓብዪ ኣውያት ኮነ። ፈርዖን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ፀዊዑ “ንስኻትኩምን ደቂ እስራኤልን ተስኡ፤ ካብ ማእኸል ህዝበይ ውፁ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ ኣባጊዕኹምን ከፍትኹምን ሒዝኩም ኪዱ፤ ንኣይ ከዓ መርቑኒ” በሎም። እቶም ግብፃውያን ድማ “ኵልና ኽንመውት ኢና” ኢሎም ስለ ዝፈርሑ ነቶም እስራኤላውያን “ካብዛ ምድሪ ቐልጢፍኩም ውፁ” ኢሎም ሃወኽዎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ገና ዘይበዅዐ ብሑቖም ኣብቲ መልወሲኦም መሊኦም፥ ብኽዳኖም ጠቕሊሎም ኣብ ማእገሮም ተሸከምዎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ካብ ግብፃውያን “ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሑ ኣቑሑን ክዳውንትን” ለመኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቡ ዅሉ ዝደለይዎ ኽህብዎም፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብፂ ሞገስ ሃቦም፤ ንሰብ ግብፂውን ዘመትዎም። ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ራምሴ ተልዒሎም ናብ ሱኮት ተጕዓዙ። ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እግረኛ ሰብኡት ነበሩ። ምስኣቶም ድማ ኻልእ ዝዓሌቱ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ ኸደ፤ ከምኡውን ኣባጊዕን ከፍትን የመና ብዙሓት ጥሪትን ምስኣቶም ወፁ። እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅእዎ ብሑቕ ኣይበዅዐን ነበረ እሞ ኻብኡ ቕጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ስለ ዝተሰጐጉ ስንቆም ከዳልዉ ጊዜ ኣይነበሮምን። በታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመታት ዝተወድኣላ መዓልቲ፥ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ወፁ። እዛ ለይቲ እዚኣ፥ ብኣኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ስለ ዘውፅኦም፥ ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት እያ፤ እዛ ለይቲ እዚኣ፥ እስራኤላውያን ንውሉድ ወለዶኦም ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት ለይቲ እያ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ሕጊ ፋሲካ እዙይ እዩ፦ ጓና ዝኾነ ኻብኡ ኣይብላዕ። ብገንዘብ ዝተዓደገ ባርያ እንተሃለወ ግና፥ ምስ ገረዝካዮ ኻብኡ ይብላዕ። ስደተኛን ንስራሕ ዝተቘፀረን ግና ኻብኡ ኣይብልዑ። “ኣብ ሓንቲ ገዛ ይበላዕ፤ ካብቲ ስጋ ሓደ እኳ ኻብ ገዛ ንደገ ኣይተውፅኡ፤ ዓፅሙ ድማ ኣይትስበሩ። ነዙይ፥ ኵሉ ጉባኤ ህዝቢ እስራኤል ይግበሮ። “ጓና ምሳኻ እንተ ተቐመጠ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ ኽገብር እንተ ደለየ፥ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ይገረዝ፤ ሽዑ ኸም ወዲ ዓዲ ተቘፂሩ በዓል ፋሲካ ይግበር። ዘይተገርዘ ግና ኻብኡ ኣይብላዕ። ንወዲ ዓድን ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓናን፥ ሓደ ሕጊ ይኹን” በሎም። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “ኣብ ደቂ እስራኤል ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ናተይ እዩ እሞ ዅሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ” በሎ። ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅኢኩም እዩ እሞ፥ ነዛ ኻብ ምድሪ ባርነት ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ዘክርዋ፤ ዝበዅዐ፥ ከቶ ኣይትብልዑ። ንስኻትኩም ሎሚ ብወርሒ ኣቢብ ትወፁ ኣለኹም። እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም። ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ይኹን። በተን ሸውዓተ መዓልቲታት ቕጫ ብላዕ፤ ኣባኻ ብዅዕ ኣይረአ፤ ኣብ ኵሉ ኣዋሳኒኹምውን ማይ ብሑቕ ኣይረአ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቅኻ፦ ‘እዙይ ስለ እቲ እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተለኹ ዝገበረለይ ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ’ ኢልካ ንገሮም። እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ። ነዝ ስርዓት እዙይ በቲ ውሱን ጊዜኡ ዓመት ዓመት ሓልዎ። “እግዚኣብሄር ድማ ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሓለልካ ምድሪ ከነዓናውያን ምስ ኣእተወካ ንኣኣውን ምስ ሃበካ፥ ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ፍለዮ፤ ካብ ዘለካ እንስሳ መጀመርታ ዝተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ይኹን። ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተቤዘዎ፤ እንተ ዘይተቤዘውካዮ ኸዓ ኽሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ፥ ንዅሉ በዅሪ ንዝኾነ ሰብ ተቤዘዎ። “ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና። ፈርዖን ክንከይድ ከይሰደና ልቡ ምስ ኣትረረ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ ቐተለ። ስለዙይ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፤ ካብ ደቅና ድማ በዅሪ ንዝኾነ ዅሉ እብዜዎ’ ትብሎ። እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፂኡና እዩ እሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም ዝተንጠልጠለ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸዓ ኸም መዘከርታ ይኹንካ” በሎ። ፈርዖን ነቶም ህዝቢ ክኸዱ ምስ ሰደዶም ድማ፥ እግዚኣብሄር እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ረአዩ፥ ተናሲሖም ናብ ግብፂ ኸይምለሱ ኢሉ፥ ቀረባ እኳ እንተ ነበረት፥ በታ መንገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣይመርሖምን። እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ። ደቂ እስራኤል ካብ ሱኮት ተልዒሎም ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን ምድረ በዳ ሰፈሩ። ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኽጐዓዙ፥ እግዚኣብሄር መንገዲ ንኽመርሖም ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ኽበርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ። ብመዓልቲ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ ዓምዲ ሓዊ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኸቶ ኣይተፈለየን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ “ንደቂ እስራኤል፥ ተመሊሶም ኣብ መንፅር ፒሃሒሮት፥ ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ክሰፍሩ ንገሮም። ኣብ መንፅር በዓልፀፎን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ። ፈርዖን ድማ ‘ደቂ እስራኤል ምድረ በዳ ዓፅዩዎም ኮለል ይብሉ ኣለዉ’ ኽብል እዩ። ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ደቂ እስራኤል ከም ዝሃደሙ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ነገርዎ። ንጉስን መኳንንቱን ከዓ ብዛዕባኣቶም ሓሳቦም ለወጡ፤ “እንታይ ኢና ዝገበርና? ደቂ እስራኤል ከይግዝኡናስ ስለ ምንታይ ኢና ክኸዱ ዝሓደግናዮም?” ድማ በሉ። ስለዙይ ከዓ ፈርዖን ሰረገላኡ ኣዳለወ፤ ሰራዊቱውን ኣዕጠቐ። ኣብ ኵለን ሰረገላታት ግብፂ፥ ኣብተን ሽዱሽተ ሚእቲ ምሩፃት ሰረገላታትውን እንተይተረፈ፥ ሓያላት ተዋጋእቲ ሒዙ ተልዓለ። እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሪ እቶም ብፅንዕቲ ኢድ ዝወፁ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ። ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ፒሃሒሮት ኣብ መንፅር በዓልፀፎን ሰፊሮም እንተለዉ ኣርከብዎም። ፈርዖን ምስ ቀረበ፥ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፤ እንሆ ግብፃውያን ደድሕሪኣቶም ከም ዝገስገሱ ምስ ረአዩ የመና ፈርሑ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተማህለሉ። ንሙሴ ድማ “ናብዝ ምድረ በዳ ኽንመውት ዘውፃእኻናስ፥ ኣብ ግብፂዶ መቓብር ኣይነበረን እዩ? ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ እንታይ ከም ዝገበርካና ረአ፤ እቲ ኣብ ግብፂ እንተለና ዝበልናካኸ እዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን? ኣብ ምድረ በዳ ኻብ እንመውትስ፥ ንግብፃውያን ክነገልግል ምሐሸና፤ ንግብፃውያን ንገዝኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናካን?” በልዎ። ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ሎሚ ዝገብረልኩም ምድሓን ርአዩ። እዞም ሎሚ እትሪእዎም ግብፃውያን ደጊም ንዘለኣለም ኣይትሪእዎምን ኢኹም። እግዚኣብሄር ክዋግአልኩም እዩ እሞ ህድኡ” በሎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ስለ ምንታይ ናባይ እትምህለል? ንደቂ እስራኤል ክጐዓዙ ንገሮም። ንስኻ ድማ በትርኻ ብኢድካ ኣልዒልካ፥ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሓያ፤ ኣነ ድማ እንሆ ንልቢ ግብፃውያን ከትርር እየ። ንሳቶምውን ደድሕሬኹም ክስዕቡ እዮም። ኣነ ኸዓ ንፈርዖንን ንዅሎም ሰራዊቱን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ንፈርዖንን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ስዒረ ምስ ከበርኩ ድማ፥ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። እቲ ብቕድሚ ደቂ እስራኤል ዝኸይድ ዝነበረ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ድማ ተመሊሱ ብድሕሪኦም ኮነ። እቲ ዓምዲ ደመና ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ተልዒሉ ብድሕሪኣቶም ቆመ፤ ናብ መንጎ ግብፃውያንን ደቂ እስራኤልን ድማ ኣተወ። በቱይ ወገን ደመናን ፀልማትን ነበረ፤ በዙይ ወገን ግና ነቲ ለይቲ ኣብርሆ። ስለዙይ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን። ሙሴ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ባሕሪ፥ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣወገደ፤ ነቲ ባሕሪ እውን ኣንቀፆ። እቲ ማይ ከዓ ኣብ ክልተ ተመቐለ። ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑፅ ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከዓ ብየማንን ፀጋምን ከም መንደቕ ኮነሎም። ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ። ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓምዲ ሓዊን ዓምዲ ደመናን፥ ናብ ሰራዊት ግብፃውያን ጠመተ፤ ንሰራዊት ግብፃውያንውን ኣርዓዶም። መንኰራዅር ሰረገላታቶም ድማ ኣምለቘ፤ ብጭንቂ እውን ተጕዓዙ። ግብፃውያን ድማ “እግዚኣብሄር ክንዲ ደቂ እስራኤል ኮይኑ ይዋግአና ኣሎሞ ኻብኣቶም ንህደም” በሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ማይ ናብ ልዕሊ ግብፃውያንን፥ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ምእንቲ ኽምለስ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ፤ እቲ ባሕሪ ድማ ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ናብ ናይ ቀደም ሰፈሩ ተመለሰ፤ ግብፃውያን ከዓ ኻብኡ ኽሃድሙ ፈተኑ። እግዚኣብሄር ግና ንግብፃውያን ናብቲ ማእኸል ባሕሪ ደርበዮም። እቲ ማይ ናብ ሰፈሩ ተመለሰ፤ ነቶም ደድሕሪ ደቂ እስራኤል ናብ ባሕሪ ዝሰዓቡ፥ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንዅሉ ሰራዊት ፈርዖንን ድማ ደፈኖም። ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ምድሪ ሓለፉ፤ እቲ ማይ ከዓ ብየማኖምን ብፀጋሞምን ከም መንደቕ ኮነሎም። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ኣድሓኖም። ደቂ እስራኤል ድማ ሬሳታት ግብፃውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረአዩ። ደቂ እስራኤል ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ዝገበሮ ዓብዪ ኢድ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ፈርሕዎ። ብእግዚኣብሄርውን ኣመኑ፤ ብባርያኡ ሙሴውን ኣመኑ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ፥ ልዕል ልዕል ከብሎ እየ። ስሙ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሰጠሙ። ከም እምኒ ናብ ውሽጢ ሰጠሙ። ኦ ጐይታ፥ የማነይትኻ ንፀላኢ ቐጥቀጠቶ። ቍጥዓኻ ሰደድካ፤ ከም ሓሰር ድማ በልዖም። ማይ መዓሙቝ ድማ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ረግአ። ኢደይውን ክተጥፍኦም እያ፤ በለ። ከም ዓረር ድማ ኣብ ዓሚቝ ማይ ሰጠሙ። ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ? ምድሪ እውን ወሓጠቶም። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ መሕደሪኻ መራሕኻዮም። ኣብ ፍልስጥኤም ንዝነብሩውን ቅልውላው ሓዞም። ኣብ ከነዓን ዝነብሩ ዅሎምውን መኸኹ። ብሓይሊ ቕልፅምካ ኸም እምኒ ስቕ በሉ። ኣብቲ ርስትኻ ዝኾነ እምባ ኣእቲኻ ኽትተኽሎም ኢኻ። እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ክነግስ እዩ።” ኣፍራስ ፈርዖን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተዉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኣቶም መለሶ፤ ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ሓለፉ። ነቢይት ማርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተልዓለት፤ ኵለን ኣንስቲ ድማ ኸበሮ ሒዘን ብስዕስዒት ደድሕሪኣ ወፃ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።” ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ መሪሑ ኣውፅኦም፤ ሱር ናብ ዝተብሃለ ምድረ በዳ ኸዓ ወፁ። ማይ እንተይረኸቡ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ብምድረ በዳ ተጕዓዙ። ማራ ናብ ዝተብሃለ ቦታ በፅሑ፤ ማይ ማራ መሪር ስለ ዝነበረ ኸዓ ኽሰትይዎ ኣይከኣሉን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ማራ ተብሃለ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሙሴ “እንታይ ክንሰቲ ኢና?” ኢሎም ኣጕረምረሙሉ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፤ ኣብኡ ኸዓ ፈተኖም። ኣስዒቡ ድማ “ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕኻ፥ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዝኾነ ኸዓ እንተ ገበርካ፥ ንትእዛዛቱውን ፅን እንተ በልካ፥ ኵሉ ሕግጋቱ ድማ እንተ ሓሊኻ፥ ኣነ እቲ ዘሕውየካ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ነቲ ናብ ግብፃውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ፤” በሎም። ኤሊም ናብ እትብሃል ቦታ ድማ በፅሑ፤ ኣብኡ ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ። ኵሎም ማሕበር እስራኤል ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘሎ ሲን ዝበሃል ምድረ በዳ በፅሑ። እዙይ ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ነበረ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ። ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም። እቲ ብሻድሸይቲ መዓልቲ ዝእክብዎ ግና ዕፅፊ እቲ ንሓደ መዓልቲ ዝእክብዎ ይኹን” በሎ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ኸም ዘውፅአኩም ሎሚ ምሸት ክትፈልጡ ኢኹም። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ንግሆ ኽብሩ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣብ ልዕሌና እተጕረምርሙስ፥ ንሕና እንታይ ኢና?” በልዎም። ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ፥ ብጊሓት ከዓ ምግቢ ኽትፀግቡ ዝህበኩም እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዘጕረምረምኩምዎ፥ ብእግዚኣብሄር ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር ብኣና ኣይኮነን። ንሕና ደኣ እንታዎት ኴንና!” በሎም። ሙሴ ድማ ንኣሮን “ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ‘እግዚኣብሄር ምጕርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ’ በሎም” በሎ። ኣሮን ከዓ ንዅሉ ማሕበር እስራኤል ምስ ተዛረበ፥ ንሳቶም ገፆም ናብ ምድረ በዳ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ደመና ተርኣየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ምጕርምራም ደቂ እስራኤል ሰሚዐ እየ። ‘ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ጊሓት ድማ እንጀራ ኽትፀግቡ ኢኹም። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ኢልካ ተዛረቦም” በሎ። ንምሸቱ ብርንሂጎታት መፂአን ነቲ ሰፈር ከደናኦ። ብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዛዕታ ወዲቑ ነበረ። እቲ ህቦ ምስ ተነነ ኸዓ፥ ከም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ደቂቕን ከቢብን ዝኾነ ነገር ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ምድሪ ተርኣየ። ሙሴ ኸዓ “እዙይ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጀራ እዩ። እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ድማ እዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ዝኣኽሎ ይኣክብ። ነቶም ኣብ ድንኳን ምስኡ ዘለዉውን ብቝፅሮም፤ ንነፍሲ ወከፎም ሓደ ምሸ ይውሰደሎም” በሎም። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ። ገሊኣቶም ብዙሕ ገሊኣቶም ከዓ ውሑድ ኣከቡ። ብምሸ ሰፈርዎ፤ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝኣኽሎ ደኣ ኣከበ እምበር፥ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ እቲ ውሑድ ዝኣከበ ኸዓ ኣየጕደለን። ሙሴ ድማ “ሓደ እኳ ኻብኡ ንፅባሕ ኢሉ ኣየትርፍ” በሎም። ንሙሴ ስለ ዘይሰምዕዎ ግና፥ ዝተወሰኑ ሰባት ካብኡ ንፅባሒቱ ዝኾኖም ኣትረፉ፤ ንሱ ኸዓ ሓሰኸን ጨነወን። ሙሴ ድማ ተቘጥዖም። ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ ዝኣኽሎ ይእክብ ነበረ። ሙቐት ፀሓይ እናበርትዐ ምስ ከደ ግና እቲ ዝተረፈ ይመክኽ ነበረ። በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ኻብቲ እንጀራ ዕፅፊ፥ ክልተ ምሸ ንሓደ ሰብ ኣከቡ። ኵሎም መራሕቲ ደቂ እስራኤል ድማ መፂኦም ንሙሴ ነገርዎ። ንሱ ኸዓ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ እዙይ እዩ፦ ፅባሕ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት እያ፤ እትስንክትዎ ሰንክቱ፤ እተብስልዎ ኣብስሉ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ንፅባሕ ክኾነኩም ኣሕድርዎ” በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከዓ ንፅባሒቱ ክኾኖም ኣሕደርዎ። ኣይጨነወን ኣይሓሰኸንውን። ሙሴ ኸዓ “ሎሚ ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት እያ፤ ኣብ በረኻ ዝብላዕ ኣይትረኽቡን ኢኹምሞ ነቲ ዘሕደርኩምዎ ሎሚ ብልዕዎ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኣክቡ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ሰንበት ስለ ዝኾነት፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣይርከብን እዩ” በሎም። ካብቶም ህዝቢ ገሊኣቶም በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽእክቡ ወፁ፤ ይኹን እምበር ዝብላዕ ኣይረኸቡን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ምሕላው እትኣብዩ? ረአዩ፥ ኣነ ሰንበት ሂበኩም ኣለኹ፤ ስለዙይ ከዓ እየ በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝኸውን እንጀራ ዝህበኩም ዘለኹ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ፤ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውፃእ” በሎ። እቲ ህዝቢ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ። ሙሴ ኸዓ “እግዚኣብሄር እቲ ኻብ ግብፂ ኸውፅአኩም እንተለኹ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝመገብኩኹም እንጀራ ምእንቲ ኽሪኡስ፥ ካብቲ መና ሓደ ምሸ መሊእኹም ንውሉድ ወለዶኹም ዕቘርዎ ኢሉ ኣዚዙ እዩ” በሎም። ደቂ እስራኤል ናብታ ዝነብሩላ ምድሪ ኽሳዕ ዝኣትዉ፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል መና በልዑ። ናብ ወሰን ከነዓን ክሳዕ ዝበፅሑ መና በልዑ። ሓደ ምሸ ዓስራይ ኣፍ ናይ ኢፍ ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ። ኣብ ራፊዲም ድማ ሰፈሩ። ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበሮምን። ሙሴ ኸዓ “ስለ ምንታይ ምሳይ ትበኣሱ? ስለ ምንታይከ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ፀሚኦም፥ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንሕናን ደቅናን እንስሳናን ብፅምኢ ኽንመውት ካብ ግብፂ ዘውፃእኻና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ። ሙሴ ድማ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም እንታይ ክገብሮም እየ? ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትሉኒ ቑሩብ ተሪፍዎም ኣሎ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብቶም ዓበይቲ እስራኤል ሒዝካ፥ ካብቶም ህዝቢ ንቕድሚት ኣቢልካ ሕለፍ እሞ፥ ነታ ሩባ ዝወቓዕኻላ በትርኻ ተማሊእኻ ኺድ። እንሆ፥ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ኮሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኰዅሒ ኸዓ ኽትወቕዖ ኢኻ፤ ነቶም ህዝቢ ዘስቲ ማይ ድማ ኻብኡ ኽወፅእ እዩ” በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ። ደቂ እስራኤል ንሙሴ ስለ ዝተጓየቑዎን “እግዚኣብሄር ምሳና ኣሎዶ የለን?” ኢሎምውን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተፈታተንዎን፥ እታ ቦታ ማሳን ሽዑ ኣማሌቃውያን ናብ ራፊዲም መፂኦም ምስ እስራኤላውያን ውግእ ገጠሙ። ሙሴ ድማ ንኢያሱ “ኣጓብዝ ሕረየልና እሞ፥ ወፂእኻ ኸዓ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ኣነ ፅባሕ፥ በትሪ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ደው ክብል እየ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፤ ምስ ኣማሌቃውያን ከዓ ተዋግአ። ሙሴን ኣሮንን ሆርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ። ሙሴ ኢዱ ኸልዕል እንተሎ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ፤ ሙሴ ኢዱ ኸውርድ እንተሎ ድማ፥ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ። ሙሴ ኣእዳዉ ስለ ዝረብረባ፥ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣቐመጡሉ፤ ሙሴውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሆርን ከዓ ሓደ በዙይ፥ ሓደ ኸዓ በቱይ ኮይኖም ነእዳው ሙሴ ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳዉ ድማ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብ በርትዓ። ኢያሱ ድማ ንኣማሌቃውያን ብስሕለት ሰይፊ ሰዓሮም። ሙሴ ኸዓ መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ” “ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዙፋን እግዚኣብሄር ስለ ዘልዓለ ዮቶር፥ ካህን ምድያም ሓሙ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ኵሉ ዝገበሮን፥ እግዚኣብሄርውን ካብ ግብፂ ንእስራኤል ከም ዘውፅኦምን ሰምዐ። ንሲፖራ ሰበይቲ ሙሴ፥ ናብ ኣቦኣ ዮቶር ሰዲድዋ ነበረሞ፥ ሽዑ ምስ ክልቲኦም ደቃ ሒዙሉ መፀ። ሙሴ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” ኢሉ ነቲ በዅሪ ወዱ “ጌርሳም” ዝብል ስም ኣውፅአሉ። “ኣምላኽ ኣቦይ ረድአኒ፤ ካብ ሰይፊ ፈርዖን ኣድሓነኒ” እንትብል ድማ ነቲ ኻልኣይ ወዱ “ኣልኣዛር” ኢሉ ሰመዮ። ዮቶር ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን፥ ናብቲ ሙሴ ሰፊርዎ ዝነበረ ምድረ በዳ፥ ናብ ጥቓ እምባ እግዚኣብሄር መፀ። ንሙሴ ድማ “ኣነ ዮቶር ሓሙኻ ንሰበይትኻን ንኽልቲኦም ደቃን ሒዘ ናባኻ እመፅእ ኣለኹ” ኢሉ ለኣኸሉ። ሙሴ ኸዓ ንሓሙኡ ኽቕበሎ ወፀ፤ ሰገደሉ፤ ሰዓሞውን። ደሓን ምህላዎም ንስንሳቶም ምስ ተጠያየቑ ድማ፥ ናብ ድንኳን ኣተዉ። ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከድሕን ኢሉ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፃውያንን ዝገበሮን፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ኵሉ መከራን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ። ዮቶር ድማ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕን ኢሉ ዝገበሮ ፅቡቕ ነገር ተሓጐሰ። ቀፂሉ ዮቶር “እቲ ኻብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ፈርዖንን ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ይመስገን። እቲ ንህዝቡ ኻብ ኢድ ግብፃውያን ዘድሓነ እግዚኣብሄር ይመስገን። ግብፃውያን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፈፀምዎ ግፍዒ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም መሊሱሎም እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ። ድሕሪዙይ ሓሙ ሙሴ ዮቶር፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሕሩድን ንእግዚኣብሄር ወሰደ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ምስ ሓሙ ሙሴ ኾይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዑ መፁ። ንፅባሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኽፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ወዓለ። ሓሙኡ ኸዓ፥ እቲ ሙሴ ኣብ ህዝቢ ዝገብሮ ዅሉ ምስ ረአየ “እዝ ኣብዝ ህዝቢ እዙይ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? ስለ ምንታይከ ኢኻ፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ እንተሎ፥ ንስኻ በይንኻ ኽትፈርድ እትቕመጥ?” በሎ። ሙሴ ድማ ንሓሙኡ “እቲ ህዝቢ ፍቓድ እግዚኣብሄር ክጥይቕ ናባይ ስለ ዝመፅእ እዩ። ክልተ ሰብ፥ ነገር እንትህልዎምውን ናባይ ይመፁ፤ ኣነውን ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ብፃዩን እፈርድ፤ ናይ እግዚኣብሄር ስርዓትን ሕግጋትን ድማ እነግሮም” ኢሉ መለሰሉ። ዮቶር ድማ ንሙሴ “እዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንስኻን እዝ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፤ እዝ ነገር እዙይ ንኣኻ የመና ኸቢድ እዩ እሞ፥ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕዚ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፤ ክመኽረካ ቓለይ ስማዕ፦ ንስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተወካሊ ህዝቢ ኹን፤ ነቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሐሎም። ስርዓታትን ሕግጋትን መሃሮም፤ ከመይ ኢሎም ከም ዝነብሩን እንታይ ክገብሩ ኸም ዝግብኦምንውን ንገሮም። ካብ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ እሙናት፥ ረብሓ ዓመፃ ዝፀልኡ፥ ክኢላታት ሰባት ምረፅ። ንኣኣቶም ከዓ ኣሕሉቕ ሽሕን፥ ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኣቶም ሹመሎም። ኵልሻዕ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ዓብዪ ነገር ዝኾነ ዅሉ ናባኻ የምፅእዎ። ንእሽተይ ነገር ዝኾነ ግና ባዕልቶም ይፍረድዎ። ነቲ ሸኽሚ እንተ ኣፃወሩኻ ኸዓ ንኣኻ ይቐለልካ። እዝ ነገርዙይ እንተ ገበርካ፥ እዙይ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾነ፥ ኣይትደክምን ኢኻ። ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ተሓጒሱ ናብ ገዛኡ ኽምለስ እዩ” በሎ። ሙሴ ድማ ቓል ዮቶር ሰሚዑ፥ ኵሉ ዝበሎ ገበረ። ካብ ኵሉ እስራኤል ክኢላታት ሰባት መሪፁ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለቓ ክኾኑ፥ ሓለቓ ሽሕን፥ ሓለቓ ሚእትን፥ ሓለቓ ሓምሳን፥ ሓለቓ ዓሰርተን ገይሩ ሾሞም። ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ዅልሻዕ ይፈርድዎ ነበሩ። ብርቱዕ ነገር ዝኾነ ኸዓ፥ ናብ ሙሴ የምፅእዎ ነበሩ። እቲ ንእሽተይ ዝኾነ ነገር ግና ንሳቶም ይፈርድዎ ነበሩ። ሙሴ ድማ ንሓሙኡ ኣፋነዎ፤ ዮቶር ከዓ ናብ ሃገሩ ተመለሰ። ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በታ መጀመርታ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ። ካብ ራፊዲም ተልዒሎም ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ። ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ መንፅር እቲ እምባውን ሰፈሩ። ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ እምባ ፀዊዑ “ንቤት ያእቆብ ከምዙይ በል፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ንገር፦ እቲ ኣብ ግብፃውያን ዝገበርክዎን፥ በኽናፍ ንስሪ ፀይረ ናባይ ከም ዘምፃእኹኹምን፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኢኹም። ሕዚ ድማ ንቓለይ እንተ ተኣዚዝኩም፥ ኪዳነይ እውን እንተ ሓሊኹም፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ሕልፊ ገንዘበይ ክትኮኑኒ ኢኹም። ኵላ ምድሪ እኳ ናተይ እንተ ኾነት፥ ንስኻትኩም ግና ናይ ካህናት መንግስትን፥ ቅዱስ ህዝብን ክትኮኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትነግሮም ቃል እዙይ እዩ” በሎ። ሙሴ ድማ ተመሊሱ ነቶም ዓበይቲ ህዝቢ ፀውዖም፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ቓልውን ኣብ ቅድሚኣቶም ተናገረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ኾይኖም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ድማ ንቓል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሖ። ሙሴ ኸዓ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብቶም ህዝቢ ኺድ፤ ሎምን ፅባሕን ቀድሶም፤ ክዳውንቶም ከዓ ይሕፀቡ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ናብ እምባ ሲና ኽወርድ እየ እሞ፥ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ። ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበረሎም። ‘ናብቲ እምባ ኸይትድይቡ፥ ወይ ነቲ እግሪ እምባ ኸይትነኽእዎ ተጠንቀቑ’ ድማ በሎም። ነቲ እምባ ዝነኽኦ ዅሉ ብርግፅ ክመውት እዩ። ሓደ እኳ ብኢድ እንተ ነኽኦ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ወይ ከዓ ብፍላፃ ይቀተል፤ ሓደ እኳ ብኢድ ኣይንክኣዮ፤ እንስሳ ይኹን ሰብ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ተነፍሐ ጥራሕ ናብቲ እምባ ይደይቡ” በሎ። ሙሴ ድማ ኻብቲ እምባ ናብቲ ህዝቢ ወረደ፤ ነቲ ህዝቢ ኸዓ ቐደሶ፤ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሓፀቡ። ነቶም ህዝቢ ድማ “ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ፤ ናብ ሰበይቲ ኸዓ ኣይትቕረቡ” በሎም። ሙሴ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ክራኸብ፥ ካብ ሰፈር መሪሑ ኣውፅኦ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ደው በሉ። እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፥ ኵሉ እምባ ሲና ይትኪ ነበረ። ካብኡ ኸዓ ኸም ትኪ እቶን ዝበለ ትኪ ዓረገ። ኵሉ እቲ እምባ የመና ተናወፀ። እቲ ድምፂ መለኸት ከዓ የመና ምስ በርትዐን ምስ ፀንዐን፥ ሙሴ ተዛረበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብድምፂ እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ልዕሊ እምባ ሲና፥ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ወረደ። ንሙሴ ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ፀውዖ፤ ሙሴ ኸዓ ደየበ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ውረድ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክሪኡ ኽብሉ ናብቲ እምባ ኸይቐርቡ እሞ፥ ብዙሓት ከዓ ኸይጠፍኡስ፥ ኣጠንቅቆም። እቶም ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፥ ንርእሶም ይቐድሱ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር “ንስኻ፥ ‘ኣብ ዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበር፤ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እምባ ይኹን’ ኢልካ ስለ ዘጠንቀቕካና፥ እቶም ህዝቢ ናብ እምባ ሲና ኽድይቡ ኣይኽእሉን እዮም” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኪድ ውረድ እሞ ንኣሮን ምሳኻ ሒዝካዮ ደይብ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፥ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ክድይቡ ኢሎም ወሰን ከይጥሕሱ ኸልክሎም” በሎ። ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነዙይ ነገሮም። እግዚኣብሄርውን ነዝ ዅሉ ቓል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። “ብዘይ ዘኣይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ። “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፥ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ኣብ ማይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ብዝኾነ ኣምሳል ዝተቐረፀ ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥ ንዝፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዝሕልዉን ግና ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ። “ስመይ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል፤ እግዚኣብሄር ንስሙ ብኸንቱ ዘልዓለ ካብ በደል ኣየንፅሆን እዩ እሞ። “ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፤ ኵሉ ተግባርካውን ግበር። እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ንስኻ፥ ወድኻ ኾነ ጓልካ፥ ኣገልጋሊኻ ኾነ ኣገልጋሊትካ፥ እንስሳኻ ኾነ ኣብ ውሽጢ ደገታትካ ዘሎ ስደተኛ፥ ከቶ ስራሕ ኣይትስርሑ። እግዚኣብሄር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ፈጢሩ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕሪፉ እዩሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻ፤ ቀደሳውን። “ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር። “ኣይትቕተል። “ኣይትዘሙ። “ኣይትስረቕ። “ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር። ኵሎም እቶም ህዝቢ ነጐድጓድን መብረቕን ምስ ረአዩ፥ ድምፂ መለኸትውን ምስ ሰምዑ፥ እቲ እምባ ድማ ኽትኪ ምስ ረአዩ፥ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ርሕቕ ኢሎም ድማ ቆሙ። ንሙሴ ድማ “ንስኻ ባዕልኻ ተዛረበና፤ ክንሰምዐካ ኢና፤ ግና፥ ምእንቲ ኸይንመውት እግዚኣብሄር ኣይዛረበና” በልዎ። ሙሴ ኸዓ ነቶም ህዝቢ “ሓጢኣት ንኸይትገብሩ፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሓድረኩም፥ እግዚኣብሄር ክፍትነኩም ኢሉ እዩ ዝመፀ እሞ፥ ኣይትፍርሑ” በሎም። እቲ ህዝቢ ርሕቕ ኢሉ ቖመ፤ ሙሴ ግና ናብቲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀልማት ቀረበ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም ዝተዛረብኩኹም፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም። ብዘይ ዘኣይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፤ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። “ካብ መሬት ዝተሰርሐ መሰውኢ ግበረለይ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣባጊዕኻን ኣብዑርካን ዝቃፀል መስዋእትኻን፥ መስዋእቲ ድሕነትካን ሰውእ። ስመይ ክዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዅሉ ቦታ ናባኻ መፂአ ኽባርኸካ እየ። ብእምኒ መሰውኢ እንተ ገበርካ፥ ብፅሩብ እምኒ ኣይትንደቆ፤ ብመፅረቢ ኽትፀርቦ እንተለኻ ኽተርክሶ ኢኻሞ። ሕፍረትካ ኣብኡ ኸይቕላዕ ናብ መሰውእየይ ብደረጃ ኣይትደይብ። “ኣብ ቅድሚኣቶም እተንብሮም ሕግጋት እዚኣቶም እዮም፦ ዕብራዊ ኣገልጋሊ እንተ ዓደግካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ይገዛእኻ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ብዘይ ክፍሊት ሓራ ይውፃእ። በይኑ እንተ መፂኡ፥ በይኑ ሓራ ይውፃእ። ምስ ሰበይቱ እንተ መፂኡ፥ እታ ሰበይቱውን ምስኡ ሓራ ትውፃእ። ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሃቦ፥ ንሳ ድማ ኣወዳትን ኣጓላትን እንተ ወለደትሉ፥ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኦም ይኹኑ፤ ንሱ በይኑ ሓራ ይውፃእ። “እቲ ኣገልጋሊ ግና፥ ‘ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ እየ፤ ሓራ ኣይወፅእን’ እንተበለ፥ ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ፈረድቲ “ሰብ፥ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፥ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዝወፁ ኣገልገልቲ፥ ሓራ ኣይትውፃእ። ንጐይታኣ ደስ እንተ ዘየበለቶ፥ ሓራ የውፅኣያ። ስለ ዝጠለማ ናብ ጓና ህዝቢ ኽሸጣ ኣይግብኦን እዩ። ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ግና ኸምቲ ንኣዋልድ ዝግበር ይግበረላ። ካልአይቲ ሰበይቲ እንተ ኣምፅአሉ ድማ፥ ንኣኣ ቐለብን ክዳንን ከም ሰበይቱ ዝግባእ መሰል ኣየጕድለላ። ነዝ ሰለስተ ነገር እዙይ እንተ ዘይገበረላ ግና ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ የውፅኣያ። እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣውዲቕዎ፥ እንተይተፀናተወ ብድንገት ሰብ ንዝቐተለ ግና፥ ንሱ ዝሃድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ። ተተናዂሉ ኾነ ኢሉ ንብፃዩ እንተ ቐተሎ ግና፥ ኣብ መሰውእየይ እንተ ተዓቘበ እኳ ኣውፂእኹም ቅተልዎ። “ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝወቕዐ፥ ይቀተል። “ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጠ፥ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኽበ፥ ይቀተል። “ክልተ ሰባት እንተ ተበኣሱ፥ እቲ ሓደ ንብፃዩ ብእምኒ ወይ ኢዱ ጨቢጡ እንተ ወቕዖ፥ እሞ እንተ ዘይሞተ፥ ግና ሓሚሙ ኣብ ዓራት እንተ ደቀሰ፥ በትሩ ተመርኲሱ ኸዓ፥ ንደገ ኽወፅእ እንተ ኸኣለ፥ እቲ ዝወቕዖ ሓራ እዩ። ናይቲ ስራሕ ዘብኰሮ ጊዜ ጥራሕ ይኽሓሶ፤ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝሓዊ ኸዓ ይከናኸኖ። “ሰብ ንኣገልጋሊኡ ወይ ንግዝእቱ ብበትሪ ወቒዑ ኣብ ኢዱ እንተ ሞተ፥ ይቀፃዕ። ንሓንቲ ወይ ንኽልተ መዓልቲ እንተይሞተ እንተ ፀንሐ ግና፥ ድሮ እውን ብገንዘቡ ዝዓደጎ እዩ እሞ ኣይቀፃዕ። “ሰባት እንተ ተበኣሱ ጥንስቲ ሰበይቲ ኸዓ እንተ ደፍኡ፥ እሞ ጥንሳ እንተ ኸደ፥ ካልእ ጕድኣት ከዓ እንተ ዘይብላ፥ እቲ ዝበደለ፥ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ዝመደቦሞ ፈረድቲ ኸዓ ዘፅንዕዎ ኻሕሳ ይኽፈል። ነታ ጥንስቲ ኸቢድ ጕድኣት እንተ በፅሓ ግና ነፍሲ፥ ክንዲ ነፍሲ፥ ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፥ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ፥ ኢድ፥ ክንዲ ኢድ፥ እግሪ፥ ክንዲ እግሪ፥ ምንዳድ፥ ክንዲ ምንዳድ፥ ቍስሊ፥ ክንዲ ቝስሊ፥ ሕበጥ፥ ክንዲ ሕበጥ ይከፈል። “ሰብ ዓይኒ ኣገልጋሊኡ ወይ ዓይኒ ግዝእቱ ወቒዑ እንተ ኣንቈረ፥ ክንዲ ኻሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውፅኣዮ። ስኒ ኣገልጋሊኡ ወይ ስኒ ግዝእቱ እንተ ሰበረውን፥ ክንዲ ኻሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውፅኣዮ። “ብዕራይ፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብዕራይ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ፤ ስጋኡ ድማ ኣይበላዕ። እቲ በዓል ብዕራይ ግና ናፃ እዩ። እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ነይሩ፥ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣሰሚዖምሉ ነይሮም፥ እንተይሓለዎ ተሪፉ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፤ ነቲ ዋናኡውን ይቕተልዎ። ‘ጋር ነፍሲ ጥራሕ ክፈለና’ እንተ በልዎ ግና፥ ከምቲ ዝመደቡሉ ጋር ነፍሲ ይኽፈል። እቲ ብዕራይ ወዲ ወይ ጓል እንተ ወግአውን ከምኡ ይፍረድዎ። ብዕራይ፥ ንተባዕታይ ባርያ ወይ ኣንስተይቲ ባርያ እንተ ወግአ፥ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ይኽፈሎ። ነቲ ብዕራይ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። “ሰብ ጕድጓድ እንተ ኸፈተ ወይ ከዓ ጕድጓድ እንተ ዀዓተ እሞ እንተ ዘይከደኖ፥ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፥ እቲ በዓል ጕድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳ ኸዓ ንእኡ ይኹን። “ብዕራይ ሓደ ሰብ፥ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራይ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ። ነቲ ዝሞተ ብዕራይ ከዓ ይማቐልዎ። እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ኾነ እሞ፥ ዋናኡ እንተ ዘይሓለዎ ግና ብዕራይ፥ ክንዲ ብዕራይ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳውን ንእኡ ይኹኖ። “ሓደ ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ፥ ወይ እንተ ሸጠ፥ ክንዲ ሓደ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፥ ክንዲ ሓንቲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ይኽሓስ። “ሰራቒ ሰይሩ ኽኣቱ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ ወቒዖምዎ ኸዓ እንተ ሞተ፥ እቲ ወቓዒ ዝኸፍሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን። “እቲ ሰራቒ ኸዓ ዝሰረቖ ይምለስ። ዝኸፍሎ ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግና፥ ነቲ ዝሰረቖ ምእንቲ ክኸፍል ይሸየጥ። “ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ ሰሪቑ፥ እቲ ዝሰረቖ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽፈል። “ሓደ ሰብ ናብ ዝሩእ ወይ ናብ ቦታ ወይኒ፥ ከፍቱ ሰዲዱ ንናይ ካልእ ዝሩእ እንተብልዐ፥ ካብ ግራቱ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ እቲ ዝበለፀ ይኽሓስ። “ሓዊ ተባሪዑ ናብ ቈጥቋጥ እንተ ተባፅሐ፥ እሞ ዅልስስቲ ወይ ዘይተዓፅደ እኽሊ ወይ ግራት እንተ ኣንደደ፥ እቲ ሓዊ ዘንደደ ይኽሓስ። “ሓደ ሰብ፥ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ ጐረቤቱ ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሃበ እሞ፥ ካብ ገዛ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ ሰብ እንተ ተሰርቐ፥ እቲ ሰራቒ ኸዓ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽሓስ። እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ ግና፥ እቲ በዓል ገዛ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር “ሓደ ሰብ ብዝኾነ ነገር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ፥ ብዛዕባ በጊዕ ኾነ ኽዳን ወይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ኣቕሓ፥ ‘እዙይ ናተይ እዩ’ ኢሉ እንተ ኸሰሰ፥ ናይ ክልቲኦም ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ። እቶም ፈረድቲ ዝፈረዱሉ ኽንዲ ሓደ ኽልተ ይኽፈል። “ሓደ ሰብ፥ ክሕለወሉ ኢሉ፥ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፥ ሕድሪ እንተ ሃበ፥ ንሱ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ወይ እንተ ተሰብረ፥ ወይ ዝረአዮ ዘይብሉ እንተ ተዘምተ፥ እቲ በዓል ሕድሪ፥ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘይወሰደ፥ ብስም እግዚኣብሄር ይምሓል እሞ፥ እቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዝነበረ ነገር ይወዳእ፤ እቲ በዓል ዋና፥ ነቲ ማሕላ ይቀበል፤ ካሕሳ ግና ኣይቀበል። ካብ ኢዱ እንተ ተሰርቀ ግና፥ ነቲ በዓል ዋና ይተክአሉ። ኣራዊት እንተ በልዖ ኸዓ፥ ንምስክር ክኾኖ ኻብቲ ተረፍ ኣራዊት የምፅእ፤ ክትክእ ግና ግድን ኣይኮነን። “ሓደ ሰብ ካብ ብፃዩ ዝኾነ እንስሳ እንተ ለመነ፥ ዋናኡ ኣብ ዘይብሉ ድማ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተ፥ ይኽሓሶ። እቲ ዋና፥ ምስኡ እንተ ነበረ ግና ኣይኽሓሶ። ብኽራይ ዝመፀ እንስሳ እንተ ኾነ ድማ እቲ ኽሳራኡ ብኽራዩ ተኸሓሒሱ እዩ። “ሓደ ሰብ፥ ንሓንቲ ዘይተሓፅየት ጓል እንተ ዓመፀ፥ ክብሪ ንፅህናኣውን እንተ ደፈረ፥ ገዝሚ ኣግዚሙ ይመርዓዋ። ኣቦኣ ‘ኣይህበካን እየ’ ኢሉ እንተ ኸልኦ ግና፥ ከም ገዝሚ ኣጓላት ገንዘብ ይኽፈል። “ንጠንቋሊት ብህይወት ክትነብር ኣይትሕደጋ። “እንትርፊ ንእግዚኣብሄር፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝስውእ ይቀተል። “ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትዓምፅዎ ወይ ኣይትግፍዕዎ። እንተ ገፋዕኹምዎም፥ ንሳቶም ከዓ ናባይ እንተእወዩ፥ ኣነ ንኣውያቶም ብርግፅ ክሰምዖ እየ። ቍጥዓይ ምስ ነደደ ኸዓ ብሰይፊ ኽቐትለኩም እየ። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፥ ደቅኹም ድማ ደኽታማት ክኾኑ እዮም። “ካብቶም ምሳኻ ዝነብሩ ህዝበይ፥ ንሓደ ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕኻዮ፥ ከም በዓል ሃረፃ ኣይትኹኖ፤ ሃረፃውን ኣይትፅዓኖ። ክዳን ብፃይካ ትሕጃ እንተ ሓዝካ፥ ፀሓይ እንተይዓረበት ምለሰሉ። ዝኽደና ኽዳን ዝባኑ ንሳ ጥራሕ እያ እሞ፥ እንታይ ተኸዲኑ ደኣ ይደቅስ? እንሆ፥ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፥ ናባይ እንተ ጠርዐ ኽሰምዖ እየ። “ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም። “ካብ ኣወዳትካ ነቲ በዅሪ ንኣይ ሃበኒ። ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር። ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እኖኡ ይፅናሕ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ሃበኒ። “ንስኻትኩም ንኣይ ቅዱስ ህዝቢ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ስለዙይ ነኽላባት ደኣ ደርቢይዎ እምበር ኣራዊት ዝሰላልዖ ስጋ እንስሳ ኣይትብልዑ። “ወረ ሓሰት ኣይትቀበል። ሓሲኻ ንኽትምስክርውን ምስ ዓማፂ ኢድካ ኣይተልዕል። “ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ። ነቶም ብዙሓት ወጊንካ ፍርዲ ንምቕይናን ኣይትመስክር። ብፍርዲ ነገርውን ነቲ ድኻ ኣይተዳሉ። “ብዕራይ ፀላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኸብካ፥ ናብ ዋናኡ ምለሶ። ኣድጊ ፀላኢኻ ኣብ ትሕቲ ፅዕነቱ ወዲቑ እንተ ረኸብካ፥ ምስ ዋናኡ ዄንካ ሓግዞ እምበር ረጊፅካዮ ኣይትሕለፍ። “ድኻ ናብ ፍርዲ እንተ ቐረበ፥ ‘ድኻ እዩ’ ኢልካ ፍትሒ ኣይተጕድለሉ። ካብ ሓሰት ዘረባ ረሓቕ። ንፁህን ቕኑዕን ሰብ ኣይትቕተል፤ ኣነ ንዝበደለ ሰብ ኣይምሕሮን እየሞ። “ጉቦ ነቶም ዝሪኡ ዘዕውር፥ ዘረባ ፃድቃን ከዓ ዘቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበል። “ሽዱሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፤ ፍርያታ ኸዓ ኣእቱ። በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፥ ድኻ ህዝብኻ ኻብኣ ምእንቲ ኽበልዕ፥ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ በረኻ ምእንቲ ኽበልዖ፥ ክተዕርፍ ሕደጋ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር። “ነቲ ዅሉ ዝበልኩኹም ሓልውዎ። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፀውዑ፤ ካብ ኣፍኩምውን ኣይሰማዕ። “ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ በዓል ግበረለይ። “ጥራሕ ኢድካ፥ ኣብ ቅድመይ ኣይትረአ። “ኣብ መወዳእታ ዓመት፥ እኽልኻ ኻብ ግራትካ ምስ ኣከብካ፥ ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል። “ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ፥ ኣባይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረአ። “ስብሒ ናይቲ ንበዓለይ ዝተሰውአ፥ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስሎ። “ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኸእትወካ፥ እንሆ፥ ኣነ ቐቅድሜኻ መልኣኽ እልእኽ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፤ ድምፁ ኸዓ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት እንተ ሰራሕኻ ንበደልካ ኣይሓድግን እዩ። ድምፁ እንተ ሰሚዕኻ፥ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፥ ኣነ ንፀላእትኻ ኽፀልኦም፥ ንዝፃረሩኻ ድማ ኽፃረሮም እየ። መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ኸጥፍኦም እየ። ንኣማልኽቶም ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን፤ ከምቲ ዝገብርዎ ኸዓ ኣይትግበር። እኳ ደኣ ኣጥፍኣዮም፤ ነቲ ቕዱስ ዝብልዎ ናይ ኣምልኾ እምኒ ኣዕምዶም ከዓ ሰባብሮ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ፤ ኣነ ኸዓ እንጀራኹምን ማይኩምን ክባርኸልኩም እየ። ሕማም ከዓ ኻብ ማእኸልኩም ከርሕቕ እየ። ኣብ ሃገርካ ጥንሲ ዝወርዳ ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን እያ። ቍፅሪ ዘመንካ ኸብዝሖ እየ። “ናብቶም እትጋጠሞም ኵሎም ህዝብታት ራዕዲ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ፥ ከሸብሮምውን እየ። ንዅላቶም ፀላእትኻ ኸዓ፥ ካባኻ ኸም ዝሃድሙ ኽገብሮም እየ። ንኤዋውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ካብ ቅድሜኻ ዘሳጕጉ፥ ተናኸስቲ ፅንፅያ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ እየ። እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፥ ኣራዊት በረኻ ኸዓ ኸይበዝሑኻ፥ ካብ ቅድሜኻ ብሓንቲ ዓመት ኣየወግዶምን እየ። ተባዚሕኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ ኻብ ቅድሜኻ በብቑሩብ እየ ዘወግዶም። “ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኣብ ኣእዳውካ ኽህበካ እየ፤ ካብ ቅድሜኻ ኸዓ ኽትሰጎም ኢኻ እሞ፥ ሽዑ ወሰንካ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፥ ካብ ምድረ በዳ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ክገብሮ እየ። ምስኣቶም ኮነ፥ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ። ንኣማልኽቶም እንተ ደኣ ኣምሊኽካ፥ እዙይ ንኣኻ መፈንጠር ክኾነካ እዩ እሞ፥ ከየስሕቱኻ እሞ ንኣይ ከም እትብድል ከይገብሩኻ፥ ኣብ ምድርኻ ኽነብሩ ኣይትፍቀደሎም።” እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፥ “ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣብዩድን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኴንኩም፥ ናብቲ ኣነ ዘለኹዎ እምባ ደይቡ፤ ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ። ንስኻ ሙሴ ኸዓ በይንኻ ናባይ ቅረብ፤ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ምሳኻ ናባይ ኣይደይቡ” በሎ። ሙሴ ድማ መፂኡ ነቶም ህዝቢ፥ ኵሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ኵሉ ሕግጋትን ነገሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ድምፂ “እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ዅሉ ትእዛዛት ንገብር” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ድማ ንዅሉ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ፀሓፎ። ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ኣብ እግሪ እቲ እምባ መሰውኢ ሰርሐ፤ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓምዲ እምኒ ንነፍሲ ወከፎም ሰርሐ። ሽዑ ሙሴ ኣጕባዝ ደቂ እስራኤል ሰደደ፤ ንሳቶም ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኣቕረቡ። ሙሴ ድማ ፍርቂ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ሒላባት ገበሮ፤ ፍርቂ እቲ ደም ከዓ ናብ መሰውኢ ነፀጎ። ነቲ መፅሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ዓው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣንበበሎም። ንሳቶም ከዓ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብርን ንእዘዝን” በሉ። ሙሴ፥ ኣሮን፥ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ኾይኖም፥ ናብቲ እምባ ደየቡ። ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ረአይዎ። እቲ መርገፂ እግሩ ድማ ኻብ ብሩህ ሰማያዊ ሰንፔር ከም ዝተገብረ ምድሪ ቤት ነበረ። ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ረአይዎ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ኣይዘርግሐን፤ ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚኡ በልዑን ሰተዩን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ኣብኡ ኸዓ ፅናሕ፤ ፅላት እምንን ነቲ ንህዝቢ ኽትምህሮም ኢለ ኣብኡ ዝፀሓፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ” በሎ። ሙሴን ኣገልጋሊኡ ኢያሱን ተልዓሉ፤ ሙሴ ድማ ናብ እምባ እግዚኣብሄር ደየበ። ነቶም ዓበይቲ ድማ “ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፥ ኣብዙይ ፅንሑና። እንሆ ኸዓ፥ ኣሮንን ሆርን ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ዝኾነ ነገር ዘለዎ ሰብ፥ ናብኣቶም ይኺድ” በሎም። ሙሴ ናብ እምባ ደየበ፤ ነቲ እምባ ኸዓ ደመና ጐልበቦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ እምባ ሲና ወረደ፤ እቲ ደመና ኸዓ ሽዱሽተ መዓልቲ ጐልበቦ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኻብ ማእኸል እቲ ደመና ፀውዖ። ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንደቂ እስራኤል ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ፥ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ተርኣየ። ሙሴ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽድይብ እንተሎ ናብ ማእኸል እቲ ደመና ኣተወ። ኣብቲ እምባውን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ንደቂ እስራኤል መባእ ከምፅኡለይ ንገሮም፤ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ፈትዩ ዘምፅአለይ መባእ ከዓ ተቐበሉ። እቲ ኻብኣቶም እትቕበልዎ መባእ ድማ ወርቂ፥ ብሩር፥ ነሃስ፥ ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ቀጭን ሃሪ፥ ብፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዓለባ፥ ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ልስሉስ ቈራብቲ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥ ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን ንጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ዝኸውን ቀመማትን፥ ኣእማን ዕንቊ፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ክቡር ኣእማንን እዩ። “ኣነ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ። ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣቑሑኡን ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ጌርካ ስርሓዮ። “ሰራው ካብ ዝበሃል ኦም፥ ታቦት ስራሕ፤ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ምግፋሑ እመትን ፈረቓን፥ ምብራኹ ድማ እመትን ፈረቓን ይኹን። ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለብጦ፥ ውሽጡን ደገኡን ለብጦ። ላዕላዩ ኸዓ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኽልተ ቐለበት ብሓደ ገፁ፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ገፁ፥ ኣብ ኣርባዕተ እግሩ ግበረሉ። ብዕንፀይቲ ሰራው መፆሪ ግበር፤ ብወርቂ ድማ ለብጦ። እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽፅወር ነቲ መፆሪ ናብቶም ኣብ ጐኒ ታቦት ዘለዉ ቐለበታት ኣእትዎ። እቲ መፆሪ ኣብቲ ቐለበታት ታቦት ይቀመጥ እምበር፥ ካብኡ ኣይውፃእ። ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር፥ ኣብቲ ውሽጢ ታቦት ክተንብሮ ኢኻ። ወርቂ ቐጥቂጥካ ኽልተ ኪሩቤል ስራሕ፤ ኣብ ክልተ ወሰን እቲ መኽደን ድማ ግበሮም። ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፥ ካልኣይ ኪሩቤል ከዓ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ምስቲ መኽደን ኣላጊብካ፥ ብኽልተ ወሰኑ ግበሮም። እቶም ኪሩቤል ከዓ ንስንሳቶም ገፅ ንገፅ እናተረኣኣዩ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፤ ነቲ መኽደን ድማ በኽናፎም ይጋርድዎ። ገፅ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን ይጠምት። ነቲ መኽደን ከዓ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። ነቲ ኣነ ዝህበካ ፅላት ከዓ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ። ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለፀልካ እየ፤ ካብቲ መኽደን፥ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፥ ኵሉ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝኸውን ትእዛዝ ክህበካ እየ። “ምንዋሑ ኽልተ እመት፥ ምስፋሑ ኸዓ ሓደ እመት፥ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ዝኾነ ጠረጴዛ ብዕንፀይቲ ሰራው ስራሕ። ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ፤ ብዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። ኣብ ዙርያኡ ድማ ግናዕ ዝምግፋሑ ኽባስ ግበረሉ፤ ነቲ ኽባስ ከዓ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። ነቲ ጠረጴዛ ዝኸውን ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ድማ ግበር፤ ነቲ ቐለበታት ከዓ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ መኣዝን ግበሮ። እቲ ጠረጴዛ ዝፅወረሉ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ እቲ ቐለበታት ኣብ ጥቓ እቲ ኽባስ ይኹን። መፅወሪ እቲ ጠረጴዛ ዝኸውን፥ ካብ ዕንፀይቲ ሰራው መፆሪ ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ። ፅሩይ ወርቂ ጌርካ ንመፍሰሲ ንኽኾኑ ፃሕልታት፥ ሒላባት፥ ኵስኵስትታት፥ ፅዋዓት ድማ ስራሕ። ኣብቲ ጠረጴዛ ኸዓ ዅልሻዕ ሕብስቲ ቝርባን ኣብ ቅድመይ ኣንብር። “ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ቐዋሚ ቐንዲል ስራሕ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ እግሩን ዘንጉን ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ጌርካ ስርሓዮ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን፥ ነቲ ጕንዱ ዝመዓጐ ዕምበባን ዝመስል፥ ኣሰራርሓኡ ኸም ፅዋዕ ጌርካ ስርሓዮ። ብኽልተ ወገን ናይቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሽዱሽተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ሰለስተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይሃልዎ። ንዅለን እተን ሽዱሽተ ጨናፍር፥ ናይ ለውዚ ዕምበባ ዝመስል፥ ነተን ሰለስተ ፅዋዓት መምስ ክበብን ዕምበባን ይሃልወን። ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከዓ፥ ዕምበባ ለውዚ ዝመስላ ኣርባዕተ ፅዋዓት፥ መምስ ክበበንን ዕምበባታተንን ይገበሮ። ሓደ ኽበብ ኣብ ትሕቲ ቐዳመይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ኽበብ ከዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኻልአይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ኽበብ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ሳልሰይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ኣብ ሕድሕደን ሽዱሽተ ጨንፈር ግበር። ነቲ ኽበብን ጨናፍርን ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን፥ ፅሩይ ወርቂ ቐጥቂጥካ ብሓደ ስርሓዮ። “ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሸውዓተ መብራህቲ ግበረሉ። እቲ መብራህቲ ኸዓ ንቕድሚት ኣቢሉ ምእንቲ ኸብርህ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ኣንብሮ። መዀስተሪኡን መዋህለሊ እቲ ዅስታርን ከዓ ኻብ ፅሩይ ወርቂ ይኹን። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ምስቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ፥ ብሰላሳን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ ግበሮ። ከምቲ ኣብቲ እምባ ዘርአኹኻ ምስሊ ጌርካ ብጥንቃቐ ስርሓዮ። “ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ። ዓቐን እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ዕስራን ሸሞንተን እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን። ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግቦ፤ ነቲ ኻልእ ሓሙሽተ ዓለባታትውን ብሓደ ኣላግቦ። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ብሓደ ዝተላገበ ዓለባ፥ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ኸዓ ኸምኡ ግበር። ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ኸዓ ሓምሳ ቐለበት ግበር። እቲ ቐለበታት ንስንሳቱ መረኣእይቲ ይኹን። ብወርቂ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መሕደሪ ድንኳን ሓደ ምእንቲ ክኸውን ከዓ፥ ነቲ ዓለባታት በቲ ቝልፊ ንስንሳቱ ኣጋጥሞ። “ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ድንኳን ዝድረብ ድማ፥ ብፀጕሪ ጤል ጌርካ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ስራሕ። ዓቐን እቲ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን። ነተን ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ከምኡ ኸዓ ነተን ሽዱሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ነታ ሻድሸይቲ ዓለባ ብወገን ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርባ። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ድማ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ብነሃስ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መደረብታ ሓደ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መቘለፊ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ። ፍርቂ ናይቲ ዝተረፈ ዓለባ፥ ነቲ ናይቲ ድንኳን ዳሕረዋይ ወገን ይኽደኖ። እቲ ብኽልተ ጐኑ፥ እመት በዙይ፥ እመት በቱይ፥ ሕልፊ ዘለዎ መደረብታ ዓለባታት፥ ብኽልተ ወገኑ ተንጠልጢሉ ነቲ ድንኳን ይኽደኖ። “ነቲ መደረብታ ኸዓ ብዝተቐረፀ፥ ቈራብቲ ማጓሉ ጌርካ መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብቘርበት እንስሳ ባሕሪ ጌርካ መኽደን ግበረሉ። “ነቲ ድንኳን ድማ ኻብ ዕንፀይቲ ሰራው ዝተፀርበ ደው ዝብል ሉሕ ግበረሉ። ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ይኹን። እቲ ሉሕ ንስንሳቱ ምእንቲ ኽገጣጠም ከክልተ ጉጭ ዘለዎ ይኹን። ንዅሉ ነቲ ናይ ድንኳን ሉሕ ከዓ ኸምኡ ጌርካ ስርሓዮ። ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ከዓ፥ ዕስራ ሉሕ ግበር። ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ፥ ብብሩር ጌርካ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ጉጭ ዘለዎ ሉሕ ክልተ መርገፂ ግበረሉ። ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ድማ ዕስራ ሉሕ ግበር። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ ዝኸውን፥ ብብሩር ጌርካ፥ በብኽልተ፥ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ። ብድሕሪ እቲ ድንኳን፥ ማለት ብወገን ምዕራቡ ሽዱሽተ ሉሕ ግበር። ነቲ ድንኳን ብወገን ድሕሪቱ ንመኣዝን ዝኸውን ክልተ ሉሕ ግበረሉ። እዙይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፤ ክሳዕ ላዕሊ፥ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ከምኡ ይኹን። ሸሞንተ ሉሕን ብብሩር ዝተሰርሐ ዓሰርተ ሽዱሽተ መርገፅን ግበር፤ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ፥ ከክልተ መርገፂ ግበር። “ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ወርወር ስራሕ፤ ሓሙሽተ ወርወር ብሓደ ወገን እቲ ድንኳን ንዘሎ ሉሕ፥ ሓሙሽተ ወርወር ብኻልኣይ ወገን እቲ ድንኳን ንዘሎ ሉሕ፥ ሓሙሽተ ወርወር ብድሕሪ እቲ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ንዘሎ ሉሕ ግበር። እቲ ኣብ ማእኸል ሉሕ ዘሎ ወርወር፥ ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ። ነቲ ሉሕ ብወርቂ ለብጦ፤ ነቲ ወርወር ዝኣትዎ ቐለበታቱ ኸዓ ብወርቂ ስርሓዮ። ነቲ ወርወርውን ብወርቂ ለብጦ። ነቲ ድንኳን ከምቲ ኣብ እምባ ዘርአኹኻ ጌርካ ትኸሎ። “ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ መጋረጃ ግበር፤ ክኢላታት ሰባት ከዓ ምስሊ ኪሩቤል ይግበሩሉ። ብወርቂ ዝተለበጠ መሰቓቐሊ ጌርካ፥ ብዕንፀይቲ ሰራው ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ ዓምዲ ስቐሎ፤ እቲ ዓምዲ ድማ ብብሩር ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ መርገፂ ደው ኣብሎ። እቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ቝልፍታት ስቐሎ፤ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝተፅሓፎ ፅላት ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ መንጎ ቕድስትን፥ ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም። ነቲ መኽደን ድማ ኣብቲ ቕድስተ ቅዱሳን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፅላት ግበሮ። ነቲ ጠረጴዛ ኣብ ወፃኢ መጋረጃ ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ኣንብሮ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ ኣብ መንፅር እቲ ጠረጴዛ ብወገን ደቡብ ኣንብሮ። “ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ መጋረጃ ግበር። ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ፥ ነቲ መጋረጃ ሓሙሽተ ዓምዲ ግበረሉ። ብወርቂ ለብጦ፤ መሰቓቐሊኡ ኸዓ ኻብ ወርቂ ይኹን። ነሃስ ኣፍሲስካ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ግበረሉ። “ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ መሰውኢ ግበር። እቲ መሰውኢ ኣርባዕተ መኣዝን ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን። በርባዕተ መኣዝን ኣቕርንቲ ግበረሉ። እቲ ኣቕርንቲ ምስቲ መሰውኢ ብሓደ ለጊቡ ይሰራሕ፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ። ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ውንጭሕቲ መፅሓሪን ጭሐሎን መውግእ ስጋን እቶንን ግበር፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ግበረሉ፤ ነቲ መንፊት ከዓ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለበት ነሃስ ግበረሉ። ነቲ መጋረዲ ድማ ኣብ ትሕቲ መንከስ መሰውኢ ግበሮ። ንሱ ኻብ ታሕቲ ኽሳዕ እቲ ፈረቓ መሰውኢ ይብፃሕ። ነቲ መሰውኢ ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው መፃውር ግበረሉ፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ። ነቲ መሰውኢ ምፅዋሩ ምእንቲ ኽምቹ፥ ነቲ መፃውር ብኽልተ ወገኑ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ። ነቲ መሰውኢ፥ ጓንጓ ጌርካ ብሉሕ ስርሓዮ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘርአኹኻ ገይሮም ይስርሕዎ። “ነቲ ድንኳን ቕፅሪ ግበረሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ጌርካ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ፥ ዕስራ ኣዕምዲ ስርሐሉ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ብብሩር ይኹን። ከምኡ ድማ ብወገን ሰሜን ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ስርሐሉ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ፥ ዕስራ ኣዕማድ ድማ ስርሐሉ። ናይቲ ኣዕማድ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ይኹን። “ብወርዱ ነቲ ቕፅሪ፥ ብወገን ምዕራብ፥ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ስርሐሉ። ዓሰርተ መርገፂ ዘለዎ ዓሰርተ ኣዕምዲ ድማ ስርሐሉ። ስፍሓት እቲ ቕፅሪ፥ ብቕድሚት ብወገን ምብራቕ፥ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ይኹን። ነቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ወገኑ፥ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ድማ፥ ግበረሉ። ብኻልኣይ ወገኑ ድማ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ኸዓ ግበረሉ። “ንኣፍ እቲ ቕፅሪ ድማ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ፥ ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሑ ዝተጠልፈ መጋረጃ ስርሐሉ። ኣርባዕተ መርገፂ ዘለዎ ኣርባዕተ ኣዕምዲ ድማ ግበረሉ። ነቲ ኣብ ዙርያ ቕፅሪ ዘሎ ዅሉ ኣዕምዲ፥ ዘንግታት ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ግበረሉ። መርገፂኡ ኸዓ ብነሃስ ጌርካ ስርሓዮ። ነቲ ቕፅሪ፥ ምንዋሑ ሓደ ሚእቲ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ሓምሳ እመት፥ ቁመቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ግበሮ፤ ነዙይ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ግበሮ፤ ንመርገፂ እቲ ኣዕምዲ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ። ኣቑሑ ድንኳን ብምሉኡን፥ ኵሉ መስርሒኡ ዝኸውንን፥ ኵሉ ሽኻላቱን፥ ኵሉ ሽኻላት ቅፅርን ብነሃስ ጌርካ ስርሓዮ። “ንስኻ ሙሴ ድማ እቲ መብራህትታት ኵልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ካብ ዝተወቐጠ ኣውሊዕ ንመብራህቲ ዝኸውን ፅሩይ ዘይቲ ኸምፅኡልካ፥ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። ኣብቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ፅላት ሒዙ ዘሎ ታቦት፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት፥ ነቲ መብራህቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ዝበርህ ይግበርዎ። እዙይ ኣብ ደቂ እስራኤል፥ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን። “ንስኻ ኸዓ ንሓውካ ኣሮንን፥ ንደቁ ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ፈሊኻ ናባኻ ኣቕርቦም። ንኣሮን ሓውካ ድማ፥ ክቡርን ዘጌፀን ቅዱሳት ኣልባሳት ግበረሉ። ንስኻ ኸዓ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእኽዎም ክኢላታት ዝኾኑ ሰባት ኵሎም፥ ኣሮን ብኽህነት ከገልግለኒ ንኣሮን ኣልባሳት ክገብሩሉ ንገሮም። እቲ ዝገብርዎ ኣልባሳት ከዓ፥ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኤፉድ፥ ቀሚሽ ላዕሊ፥ ዝተጠልፈ ቐሚሽ ውሽጢ፥ መጠምጠምያ፥ ቅናት እዩ። ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ እዝ ቅዱስ ኣልባሳት እዙይ ይግበሩሎም። ብሰማያዊ፥ ብሓምራዊ፥ ብውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን፥ ገይሮም ከዓ ይስርሕዎ። “ነቲ ኤፉድ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብወርቅን ብሃርን ገይሮም ብብልሓት ይግበርዎ። ብመንኰብ ሓሊፉ ዝጋጠም፥ ኣብ ክልተ ጫፉ ዝለገበ ኽልተ መንጠልጠሊ ይሃልዎ። እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ይኹን። “ክልተ እምኒ መረግድ ውሰድ እሞ፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ስም ቅረፀሉ። ከከም ኣወላልዳኣቶም ጌርካ፥ ናይቶም ሽዱሽተ ስም ኣብ ሓደ እምኒ፥ ናይቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ስም ድማ ኣብ ሓደ እምኒ ቕረፆ። ከምቲ ቐራፅ እምኒ፥ ማሕተም ክቐርፅ እንተሎ ዝገብሮ ጌርካ፥ ኣብ ክልቲኡ እምኒ፥ ስም ደቂ ያእቆብ ቅረፅ። ነቲ እምኒ ኽሕዞ ኸዓ ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ኣብ ዙርያኡ ግበረሉ። ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል መዘከርታ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብቲ መንኰብ ኤፉድ ግበሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽዝክሮም ድማ ኣሮን ንስማቶም ይፁሮ። ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ግበር። ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ፥ ከም ገመድ ዝተፍሓሰ ኽልተ ሰንሰለት ግበር። ነቲ ዝተፍሓሰ ሰንሰለት ምስቲ ትንጎ ኣላግቦ። “ብብልሓት ዝተገብረ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር መፍለጢ ዝኸውን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበር። ከም ስርሓት ኤፉድ ጌርካ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ስርሓዮ። ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ድርብ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ይኹን። ዝዛነቕ ጌርካ ኣርባዕተ ዝመስርዑ ኽቡር ኣእማን ኣልግበሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ሰርድዮን ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ። ኣብ ካልኣይ መስርዕ፥ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ። ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፥ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ። ኣብ ራብዓይ መስርዕ፥ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ። ነዝ ዅሉ ብትንጎ ወርቂ ኣብ ዝተሰርሐ ስዅዓዮ። እቲ ኣእማን ድማ፥ ብቝፅሪ ስም ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ይኹን። ስም ናይ ነፍሲ ወከፍ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ ከዓ፥ ኣብቲ ኣእማን ከም ቅርፂ ማሕተም ይፀሓፍ። “ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ፥ ዝተተነጐ ሰንሰለታት ግበረሉ። ከምኡ ድማ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ክልተ ቐለበት ወርቂ ግበረሉ። ነቲ ኽልተ ቐለበት ከዓ፥ ኣብ ክልተ መኣዝን ናይቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ፥ ክልተ ዝተተነጐ ሰንሰለት ከዓ፥ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለበት እሰሮ። ነቲ ኽልተ ኻልእ ጫፍ ከዓ፥ ምስ ክልቲኡ ትንጎ ወርቂ ኣተሓሒዝካ፥ ኣብቲ ኤፉድ ኣብ መንኰብ ዝንጥልጠለሉ፥ ብወገን ቅድሚት እሰሮ። ብወርቂ ጌርካ ድማ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ናብ ወገን ኤፉድ ዘሎ ውሽጣዊ ጠርዚ እሰሮ። ብወርቂ ጌርካ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ ኣብቲ ኤፉድ ብኽልተ ወገኑ፥ ብታሕቲ ዝእሰረሉ ብወገን ቅድሚት፥ ኣብ ጥቓ እቲ መገጣጠሚኡ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ እሰሮ። እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ክለግብ እምበር፥ ምእንቲ ኻብቲ ኤፉድ ከይፍለ፥ ነቲ ቐለበታት ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ምስቲ ቐለበታት ኤፉድ ብሰማያዊ ፍሕሶ እሰሮ። “ኣሮን ናብ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ነቲ ስም ደቂ ያእቆብ ኣብኡ ተቐሪፁ ዘሎ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ይፁሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ድማ ንህዝበይ ኵልሻዕ ክዝክሮም እየ። ነቲ ኡሪምን ቱሚምን ወሲድካ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ኣሮን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብ ኣፍ ልቡ ይፁሮ፤ ኣሮን ድማ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ኵልሻዕ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይፁሮ። “ነቲ ናይ ኤፉድ ቐሚሽ ላዕሊ ኸዓ፥ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ግበሮ። ኣብ ማእኸሉ ድማ ንርእሲ ዘሕልፍ ኣፍ ይሃልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቕደድ፥ ኣብ ዙርያኡ ተኸቢሱ ዝተኣልመ ናይ ክሳድ ይሃልዎ። ኣብ ዙርያ ታሕተዋይ ዘፈሩ ኸዓ፥ ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕን ዝኾነ ሮማን ግበረሉ። ኣብ መንጎ እተን ሮማን ድማ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቓጭላት ግበረሉ። ኣብ ዙርያ እቲ ዘፈር ቀሚሽ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቓጭልን ሮማንን እናዛነቕካ፥ ሓደ ድሕሪ ሓደ ግበሮ። ኣሮን ብኽህነት ከገልግል እንተሎ፥ ይከደኖ። ኣብ ቅድመይ ናብ መቕደስ ክኣቱን ክወፅእን እንተሎ ድምፂ ናይተን ቃጭላት ክስማዕ እዩ። ስለዙይ እውን ኣይመውትን እዩ። “ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ድማ ሓደ ገይፂ ግበር። ኣብኡ ኸዓ ኸም ቅርፂ ማሕተም ጌርካ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ’ ዝብል ፀሓፈሉ። ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ፥ ኣብ መጠምጠምያ ኣልግቦ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸዓ፥ ብወገን ቅድሚት ግበሮ። ነዙይ ኣብ ግምባር ኣሮን ግበሮ። ኣሮን ድማ ነቲ ደቂ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ውህብቶ ዅሉ ኸቕርቡ እንተለዉ ዝገብርዎ በደል ይፁር። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበሎም ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ግምባሩ ይፁሮ። “ብሃሪ ዝተኣልመ ቐሚሽ ውሽጢ ግበር። ብሃሪ ድማ መጠምጠምያ ግበር። ዝተጠልፈ ቕናት እውን ግበር። ንደቂ ኣሮን ድማ ቐማውሽ ግበረሎም፤ ቅናውቲውን ግበረሎም፤ ክቡርን ምልኩዕን መጠምጠምያ እውን ግበረሎም። በዝ ኽዳውንቲ እዙይ፥ ንኣሮን ሓውካን ንደቁን ክደኖም፤ ብዘይትውን ቅብኣዮም፤ መዓርግ ክህነት ድማ ሃቦም፤ ብኽህነት ምእንቲ ኸገልግሉኒ ኸዓ ቐድሶም። “ብሃሪ ጌርካ ንሕፍረቶም ዝኸድን ናይ በፍታ ስረ ግበረሎም። እዙይ ካብ ሕቘኦም ክሳዕ ብርኮም ዝበፅሕ ይኹን። “እዙይ ንኣሮንን ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡን ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹን። “ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ ከምዙይ ጌርካ ቐድሶም፦ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ዝራብዕን ክልተ ማጓሉን ውሰድ። መባዅዕቲ ዘይተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ስርናይ ጌርካ እንጀራን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ቕጫን፥ ዘይቲ ዝተለኸየ ረቀቕቲ ቕጫታትን ሰንክት። ኣብ ሓደ መሶብ ኣንብሮ፤ በቲ መሶብ ጌርካ ምስቲ ዝራብዕን ምስቶም ክልተ ማጓሉን ኣቕርቦ። “ንኣሮንን ንደቁን ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦም፤ ብማይ ድማ ሕፀቦም። ነቲ ኣልባስ ወሲድካ ድማ፥ ንኣሮን ቀሚሽ ውሽጥን ናይ ኤፉድ ቀሚሽ ላዕልን፥ ኤፉድን ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት ዝተኣልመ ቕናት ኤፉድ ጌርካ ኸዓ ኣዕጥቆ። ኣብ ርእሱ ድማ መጠምጠምያ ግበረሉ፤ ነቲ ቕዱስ ኣኽሊል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ። መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ እናፍሰስካ ቕብኣዮ። ንደቂ ኣሮን ኣቕሪብካ ኸዓ ቐማውሽ ውሽጢ ኽደኖም። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፤ መጠምጠምያውን ግበረሎም። ክህነት ከዓ ብሕጊ ንዘለኣለም ናታቶም ይኹን። ስለዙይ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ጌርካ መዓርግ ክህነት ሃቦም። “ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ። ነቲ ዝራብዕ ከዓ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድመይ ሕረዶ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ፥ በፃብዕትኻ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ፥ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍስሶ። ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዀላሊትን፥ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ብምሉኡ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ። ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቈርበትን ፈርስን ግና፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ፥ ካብቲ ሰፈር ኣውፂእኻ ብሓዊ ኣቃፅሎ። “ነቲ ሓደ ማጕላውን ውሰዶ፤ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ማጕላ የንብሩ። ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ። ነቲ ማጕላ ድማ በብብልዕቱ ቘራርፆ፤ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ከዓ ሓፂብካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቘራረፀ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ። ነቲ ማጕላ ድማ ብምሉኡ ኣብ መሰውኢ ኣቃፅሎ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ፤ ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። “ነቲ ኻልኣይ ማጕላ ውሰዶ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ማጕላ የንብሩ። ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ካብ ደሙ ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ጫፍ የማነይቲ እዝኒ ኣሮንን፥ ኣብ ጫፍ የማናይ ኣእዛን ደቁን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእዳዎምን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ። ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን፥ ካብቲ ዘይቲ መቕብእን ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን፥ ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ንፀጎ። ሽዑ ንሱን ኣልባሱን ኣልባስ ደቁን ክቕደሱ እዮም። “ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ ስለ ዝኾነ፥ ስብሒ፥ እቲ ማጕላ ሕልሕል፥ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥ፥ ስብሒ ኸብዲ፥ ክልቲኡ ዀላሊት፥ ኣብ ልዕሊ ዀላሊት ዘሎ ስብሒ፥ የማናይ እግሪ ውሰድ። ካብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ዘይበዅዐ ቕጫ ዘለዎ መሶብ፥ ዘይቲ ዘይኣተዎ ሓደ ቕጫ፥ ዘይቲ ኣትዩዎ ዝተሰንከተ ሓደ ቕጫ፥ ሓደ ረቂቕ ቅጫ ውሰድ። ነዝ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርበለይ። ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ፥ ኣብ ቅድመይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን፥ ምስቲ ዝተቓፀለ መስዋእቲ ጌርካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፅሎ። እዙይ ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ሓኸለ ናይቲ ኣሮን ክህነት ክቕበል እንተሎ ዝተሓረደ ማጕላ ውሰድ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣብ ቅድመይ ኣቕርቦ። እዙይ ግዴኻ ይኹን። “ነቲ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ፥ ናይቲ ኽህነት ክወሃብ እንተሎ ዝሕረድ ማጕላ፥ ግደ ኣሮንን ደቁን ዝኾነ ሓኸለን እግርን ቀድሶ። እዙይ ኣሮንን ደቁን ካብ ደቂ እስራኤል ዝቕበልዎ ብፅሒት ንዘለኣለም ሕጊ ይኹን። እዝ ብፅሒት እዙይ፥ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ዝለዓል መስዋእቲ ምስጋና እዩ። “እቲ ኣሮን ዝኽደኖ ቅዱስ ኣልባስ፥ ብእኡ ምእንቲ ኽቕብኡን ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን፥ ብድሕሪ ሞቱ ናብ ደቁ ይሕለፍ። ካብ ደቁ፥ እቲ ተኪኡ ኻህን ዝኸውን፥ እቲ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግል ናብ መቕደስ ዝኣቱ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ይልበሶ። “ስጋ ናይቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ ወሲድካ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ። ኣሮንን ደቁን ድማ፥ ንስጋ እቲ ማጕላን ነቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ቕጫን፥ ኣብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ። ንሳቶም ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን ክቕደሱን፥ ነቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተወፈየ ይብልዕዎ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ካልእ ሰብ ከቶ ኣይብልዓዮ። ካብ ስጋ ናይቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ፥ ወይ ካብቲ ቕጫ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ዝኾነ እንተ ተረፈ፥ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣቃፅሎ፤ ቅዱስ እዩ እሞ ሰብ ኣይብልዓዮ። “ንኣሮንን ንደቁን ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ስርዓት ክህነት ፈፅመሎም። በብመዓልቱ ኸዓ ንስርየት ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ሰውእ፤ ስርየት ሓጢኣት ብምግባር ድማ ነቲ መሰውኢ ኣፅርዮ፤ ዘይቲ እናቐባእኻውን ቀድሶ። እዙይ ንሸውዓተ መዓልቲ ግበሮ። ሽዑ እቲ መሰውኢ ፈፂሙ ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዅሉ ዝነኽኦ ድማ ኽቕደስ እዩ። “በብመዓልቱ፥ ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ መስዋእቲ ኣቕርብ። ነቲ ሓደ ጡቦት በጊዕ ጊሓት፥ ነቲ ኻልኣይ ጡቦት በጊዕ ከዓ ምሸት ሰውኣዮ። ምስቲ ቐዳማይ ጡቦት በጊዕ፥ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ለዊስካ ሰውእ፤ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ድማ፥ ከም መስዋእቲ ጌርካ ኣፍስሰሉ። ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ድማ፥ ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ጌርካ፥ ኣጋ ምሸት ኣቕርቦ። ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። “እዙይ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድመይ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ንዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣነ ኣብኡ ኽዛረበካ፥ ምሳኻውን ክራኸብ እየ። ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤልውን ክራኸብ እየ፤ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ክቕደስ እዩ። “ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከዓ ኻህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ ኽቕድሶም እየ። ኣነ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ክነብር፥ ኣምላኾም ድማ ክኸውን እየ። ንሳቶም ከዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ኢለ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ። “ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ግበር። ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ኾይኑ፥ ምንዋሑ ሓደ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ሓደ እመት ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ኽልተ እመት ይኹን። ነቲ መሰውኢ ፀሪብካ ኸዓ ኣቕርንቲ ኣውፅአሉ። ብላዕላዩን ብዅሉ ወገኑን ምስ ኣቕርንቱ፥ ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ። ነቲ ጠርዙ ድማ ብወርቂ ጌርካ ኽፈፎ። ብወርቂ ጌርካ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ መፆሪ ምእንቲ ክኸውን ብኽልተ ጐድኑ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፊኡ ግበሮ። እወ፥ እቲ መፆሪ ኣብኡ ምእንቲ ኽኣቱ ኣብ ክልተ ወሰን ግበሮ። ነቲ መፆሪ ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ስርሓዮ፤ ብወርቂ ኸዓ ለብጦ። ነዝ መሰውኢ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቕድሚ ታቦት ኪዳን ተሰቒሉ ዘሎ መጋረጃ ኣንብሮ፤ ኣብቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከቦ መኽደን ታቦት ኣቐምጦ። ኣብኡ ኸዓ ኣነ ምሳኻ ኽራኸብ እየ። “ኣብኡ ኣሮን ንግሆ ንግሆ ቐናዲል ከዳሉ እንተሎ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን። ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀንዲል ከብርህ እንተሎ፥ ዕጣን ይዕጠን፤ ስለዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘየቋርፅ ዕጣን እናተከየ ኽነብር እዩ። ኣብዝ መሰውኢ እዙይ፥ ክልኩል ዝኾነ ዕጣን ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተፍስሱ። ኣሮን ብደም እቲ ንስርየት ሓጢኣት ዝሕረድ እንስሳ ገይሩ ነቲ ኣቕርንቱ እናለኸየ ነቲ መሰውኢ ይቐድሶ። እዙይ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝግበር፥ ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን እዩ። እዝ መሰውኢ እዙይ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ክትቈፅሮም እንተለኻ መቕሰፍቲ ኸይወርዶም፥ ነፍሲ ወከፍ ክቝፀር እንተሎ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ። ዝተቘፀረ ዅሉ ብሚዛን መቕደስ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ይኽፈል። እዝ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ናባይ ዝቐርብ መባእ እዩ። ኵሎም እቶም ዝተቘፀሩ፥ ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ይሃቡ። ቤዛ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ እንተለኹም፥ ሃብታም ካብ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ኣየብዝሕ፥ ድኻውን ኣየውሕድ። ነቲ ቤዛ ነፍሲ ዝኽፈል ገንዘብ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ተቐቢልካ፥ ንኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣውዕሎ። እዝ ገንዘብ እዙይ ከዓ፥ ኣነ ምእንቲ ኽሕልዎም፥ ኣብ ቅድመይ ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን እዩ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንመሕፀቢ ዝኸውን እግሪ ዘለዎ ሸሓነ፥ ብነሃስ ጌርካ ስራሕ። ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ኣንብሮ እሞ ማይ ግበረሉ። ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሓፀቡ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ምእንቲ ኸይሞቱ ማይ ይተሓፀቡ። ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሮም ከገልግሉኒ ናብቲ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ፥ ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓፀቡ። እዙይ ከዓ ንኣሮንን ንደቁን ንውሉድ ወለዶኦም ንዘለኣለም ዝነብር ስርዓት ይኹን።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ነዝ ጥዑም ጨና ዘለዎ ቐመማት፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ፈሳሲ ኸርበ፥ ፍርቂ ናይዙይ፥ ወይ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ጥዑም ጨና ዘለዎ ቓንጫ ዶሪራ፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ሳናመኪ፥ ኣርባዕተ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ውሰድ። ንእኡ ኸምቲ ኽኢላ ገባሪ ቅብኢ ዝገብሮ ጌርካ ጥዑም ዝጨናኡ፥ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ግበር። ንሱ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ይኸውን። ሽዑ ብእኡ ጌርካ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ንታቦት ኪዳን፥ ንጠረጴዛ፥ ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዘሎ ኣቑሑ፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መሳርሒኡ፥ ንመሰውኢ ዕጣን፥ ንመሰውኢ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ምስ ኣቑሑኡ፥ ነቲ ሸሓነን ኣጋሮኡን ቅባእ። ነዝ ዅሉ ቐድሶ እሞ፥ ኵሉ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ። ዝነኽኦ ዅሉ ኸዓ ኽቕደስ እዩ። “ንኣሮንን ንደቁን ድማ ኻህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ ቕብኣዮምን ቀድሶምን። ንደቂ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ይኹነለይ። ኣብ ኣካላት ዝኾነ ሰብ ኣይፍሰስ፤ በቲ ናቱ ኣቃምማ ዝተዳለወ ኻልእ ዘይትውን ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ከዓ ቅዱስ ይኹን። እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ኻህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ጥዑም ጨና ዘለዎም ቀመማት፦ ከርበን ሰሊሆትን ከልበኔን፥ ፅሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ማዕረ ኸም ዝኸውን ጌርካ ውሰድ። ንእኡ ድማ ኸምቲ ኽኢላ ቐማማይ ዝገብሮ ጌርካ፥ ጨው ዝኣተዎ ፅሩይ፥ ቅዱስ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ግበሮ። ካብኡ ኣድኪምካ ውቐጦ እሞ፥ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ። እዙይ ንኣኻትኩም ቅዱሰ ቅዱሳን ይኹን። በዝ ኣቃምማ እዙይ ዝተዳለወ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹነልኩም። ንኸምዙይ ዝመሰለ ኽዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዕጣን ዝገብር ካብ ህዝቡ ይወገድ።” እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሆር፥ ሓርየዮ ኣለኹ። ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ክኽእል ብመንፈሰይ መሊአዮ ኣለኹ። ኵሉ ዓይነት ስራሕ ዘኽእሎ ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን ሂበዮ ኣለኹ። ንሱ ኸዓ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ገይሩ ስራሕ ጥበብ ዝሰርሕን፥ ክቡር እምኒ ቐሪፁ ዝስኵዕን፥ ዕንፀይቲ ዝፀርብን፥ ኵሉ ዓይነት ስራሕ ጥበብ ዝገብርን ክኸውን እዩ። እንሆ ኸዓ፥ ነቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝኾነ ኤልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፥ ንእኡ ኽሕግዞ መሪፀዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ምእንቲ ኽገብሩ ኸዓ፥ ንዅሎም ብልሓተኛታት ጥበብ ሂበዮም ኣለኹ። ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ምስቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን፥ ንዅሉ ኣቑሑ ድንኳንን፥ ነቲ ጠረጴዛን ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲልን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ መሰውኢ ዕጣንን፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውእን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡን፥ ነቲ ኣልባስ ኣገልግሎትን፥ ነቲ ኻህን ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ቅዱስ ኣልባስን፥ ነቲ መቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ነቲ ንመቕደስ ዝኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሰንበታተይ ኣኽብሩ። ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዚኣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹም መለለዪ ትኹንኩም። “ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፥ ንሰንበት ኣኽብርዋ። ንኣኣ ዘርከሰ ይቀተል፤ ኵሉ ብኣኣ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሐ ኸዓ ኻብ ህዝቡ ይወገድ። ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ስራሕ፤ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ኵሉ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ዝሰርሕ ይቀተል። ደቂ እስራኤል ንውሉድ ወለዶኦም፥ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ኪዳን ገይሮም እናብዓሉ ንሰንበት ይሓልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር፥ ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ፈጠርኩ፤ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣዕረፍኩ። ስለዙይ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን፥ ናይ ዘለኣለም መለለዪት እያ።” እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ። እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ። ኣሮን ድማ “እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቐለበታት ኣኪብኩም ኣምፅኡለይ” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐለበታት ወርቂ ኣኪቦም፥ ናብ ኣሮን ኣምፅእዎ። ንሱ ኸዓ ነቲ ቐለበታት ተቐቢሉ ኣምከኾ፤ ኣፍሲሱ ድማ ምስሊ ምራኽ ገበሮ። ንሱ ድማ “ኦ እስራኤል! ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” በሎም። ኣሮን እዙይ ምስ ረአየ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ መሰውኢ ሰርሐ፤ “ፅባሕ ናይ እግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሉ ድማ ኣወጀ። ንፅባሒቱ እቶም ህዝቢ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። ክበልዑን ክሰትዩን ተቐመጡ፤ ክደርፉውን ተስኡ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እዞም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ፥ ሓጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፥ ኪድ ውረድ። ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ። ካብ ወርቂ ፍሲ፥ ምስሊ ምራኽ ገይሮም ከዓ ሰገዱሉን ሰውኡሉን፤ ‘ኦ እስራኤል! እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም’ ድማ በሉ” ኢሉ ተናገሮ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሪአዮ ኣለኹ፤ እንሆ ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ እዩ። ሕዚ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነድድ እሞ፥ ከጥፍኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ግና ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ። ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ስለ ምንታይ ቍጥዓኻ ኣብዝ ብዓብዪ ሓይልን ብፅንዕቲ ኢድን፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻ ዝነድድ? ስለ ምንታይከ ግብፃውያን ‘ኣብ እምባታት ምእንቲ ኽቐትሎም፥ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ፈፂሙ ምእንቲ ኸጥፍኦም እዩ ዘውፅኦም’ ኢሎም ዝዛረቡ? ካብቲ ብርቱዕ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኽተውርዶ ዝሓሰብካዮ መዓት ድማ ተመለስ። ‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። ነታ ኽህቦም ዘተስፈኽዋ ምድሪ ድማ ብምልእታ ንዘርእኹም ክህባ እየ። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ርስቶም ክገብርዋ እዮም’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር።” እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽገብሮ ኢሉ ንሙሴ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቝጥዓኡ ተመለሰ። ሙሴ ድማ ተመሊሱ፥ ነተን ክልተ ፅላት ኪዳን ሒዙ ኻብቲ እምባ ወረደ። ንሳተን ብኽልቲኡ ገፀን፥ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ዝተፅሓፋ ነበራ። እተን ፅላት ድማ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ ነበራ፤ ኣብተን ፅላት ዝተቐርፀ ፅሕፈት ከዓ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ ነበረ። ኢያሱ ድማ እቶም ህዝቢ ክዕልሉን ዋዕ ዋዕ ክብሉን ምስ ሰምዐ፥ ንሙሴ “ኣብቲ ሰፈር ድምፂ ውግእ ይስማዕ ኣሎ” በሎ። ሙሴ ኸዓ “እዙይ፥ ድምፂ ዝሰዓሩ ኣይኮነን፥ ድምፂ ዝተስዓሩውን ኣይኮነን፤ ኣነ ድምፂ ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ” በለ። ሙሴ ናብቲ ሰፈር ምስ ቀረበ፥ ነቲ ምራኽን ነቲ ስዕስዒትን ሪኡ፥ ቍጥዓኡ ነደደ እሞ፥ ነተን ፅላት ካብ ኢዱ ደርበየን፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ሰበረን። ነቲ ዝገበርዎ ምስሊ ምራኽ ድማ ወሲዱ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፥ ጥሒኑ ኣድከሞ፤ ኣብ ማይ ነስኒሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም። ሙሴ ንኣሮን “እዝ ዓብዪ ሓጢኣት ዘምፃእኻሉስ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ገበረካ?” በሎ። ኣሮን ከዓ “ጐይታይ፥ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፤ እዝ ህዝቢ እዙይ ክፉእ ምዃኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፥ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና’ በሉኒ። ኣነ ድማ ‘ወርቂ ዘለዎ ኣውፂኡ ይሃበኒ’ በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ሃቡኒ፤ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርበኽዎ፤ እዝ ምራኽ እዙይ ከዓ ወፀ።” እቲ ህዝቢ ኸም ዝዓበደ፥ ኣሮን ነቶም ህዝቢ ስዲ ኸም ዝሓደጎም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ከዓ ኸም ዝተነወሩ ሙሴ ረአየ። ሽዑ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ “ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ ዅሉ ናባይ ይምፃእ” በለ። ኵሎም ደቂ ሌዊ ኸዓ ናብኡ ተኣከቡ። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ። ካብ በሪ ናብ በሪ ኸዓ ኣብዝ ሰፈር ተመላለሱ፤ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፥ ንፈታዊኡ፥ ንጐረቤቱ ይቕተል’ ” በሎም። ደቂ ሌዊ ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። ሙሴ ድማ “ሎሚ በረከት ምእንቲ ኽወሃበኩም ብደቅኹምን በሕዋትኩምን ኣእዳውኩም ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ግበሩ” በሎም። ብፅባሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕዚ ኸዓ፥ ምናልባሽ ስርየት ሓጢኣት እንተ ረኸብኩልኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ” በሎም። ድሕሪዙይ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ “ኣየ! እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብወርቂ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኣቶም ብምግባር፥ ዓብዪ ሓጢኣት ገበሩ። ሕዚ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ እንተ ዘይኮነ ኻብቲ ዝፀሓፍካኒ መፅሓፍካ ደምስሰኒ” በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣነ ነቲ ዝበደለኒ እየ ኻብ መፅሓፈይ ዝድምስሶ። ሕዚ ኸዓ ኺድ እሞ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፥ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ። ኣነ ግና እቲ ዝቕፅዑሉ ጊዜ እንትበፅሕ፥ ብሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ” በሎ። ኣሮን ንዝሰርሖ ምራኽ ስለ ዝሰርሑ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ቐሰፎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻን እዝ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብን ካብዙይ ኪዱ፤ ናብታ ‘ንዘርእኹም ክህቦም እየ’ ኢለ፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይቡ። ቀቅድሜኹም ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ፤ ንከነዓናውያንን ንኣሞራውያንን ንኬጢያውያንን ንፈሪዛውያንን ንሓዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ክሰጎም እየ። ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ቦታ ኺዱ። ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ኣብ መንገዲ ምእንቲ ኸየጥፍአኩምስ፥ ምሳኻትኩም ኣይድይብን እየ” በሎ። እቶም ህዝቢ ድማ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ክጕህዩ ጀመሩ፤ ካብኣቶም ከዓ ሓደ እኳ ገይፂ ዝገበረ ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል “ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ንቕፅበት ዓይኒ ምሳኻትኩም እንተ ዝኸይድ፥ ምወዳእኹኹም ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ንኣኻትኩም እንታይ ከም ዝገብረኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ሽልማትኩም ካባኻትኩም ኣወግዱ” ኢልዎም ነበረሞ። ስለዙይ ደቂ እስራኤል ካብ እምባ ኮሬብ ንነዘው ሽልማቶም ኣወገዱ። ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን እናወሰደ፥ ኣብ ወፃኢ እቲ ሰፈር፥ ካብቲ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ይተኽሎ ነበረ፤ “መራኸቢ ድንኳን” ኢሉ ድማ ሰመዮ። ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ኸዓ፥ ካብቲ ሰፈር ወፂኡ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይኸይድ ነበረ፤ ሙሴ ናብቲ ድንኳን ኣቢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተሲኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው ይብል ነበረ፤ ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክሳዕ ዝኣቱ ድማ ይጥምቶ ነበረ። ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ እቲ ዓምዲ ደመና ወሪዱ፥ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ይዛረቦ ነበረ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፥ ነቲ ዓምዲ ደመና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ኽሪኦ እንተሎ፥ ተሲኡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ኾይኑ ይሰግድ ነበረ። ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፥ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገፅ ንገፅ ይዘራረብ ነበረ። ሙሴ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ይምለስ ነበረ። እቲ ሓጋዚኡ ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና፥ ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ። ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር “እንሆ ንስኻ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ምርሓዮ’ ትብለኒ ኣለኻ። ምሳይ መን ከም እትሰድድ ግና ኣየፍለጥካንን። ንኣኻ ብስምካ ፈለጥኩኻ፤ መሊስካ ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺብካ ኢኻ ኢልካኒ ኔርካ። እምበኣር ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ምእንቲ ንኣኻ ፈሊጠ ኣብ ቅድሜኻውን ኵልሻዕ ሞገስ ክረክብስ፥ በይዛኻ መንገድኻ ኣፍልጠኒ። እዝ ህዝቢ እዙይ ከዓ ህዝብኻ ኸም ዝኾነ ዘክር” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ምሳኻ ክኸይድ እየ፤ ከዕርፈካውን እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምሳና ዘይትኸይድ እንተ ዄንካስ ካብዙይ ኣይተውፅአና። ንስኻ ምሳና እንተ ዘይኬድካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ኸም ዝረኸብና፥ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ፍሉያት ከም ዝኾንና ደኣ፥ ብምንታይ ክፍለጥ እዩ?” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ቅድመይ ፀጋ ረኺብካ ኢኻ፤ ብስምካውን ፈሊጠካ እየ እሞ፥ እዝ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ “እምበኣር፥ በይዛኻ ኽብርኻ ኣርእየኒ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምስ ኵሉ ኽብረይ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እየ፤ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ፤ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ። ሰብ ሪኡኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፥ ገፀይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብዝ ጥቓይ ኣብ ኰዅሒ ደው እትብለሉ ቦታ ኣሎ። ክብረይ ክሓልፍ እንተሎ ድማ ኣብ ዝተሰንጠቐ ኰዅሒ ኽገብረካ እየ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከዓ፥ ብኢደይ ክኽውለካ እየ። ሽዑ ኢደይ ከልዕል እየ፤ ንስኻ ኸዓ ብድሕሪተይ ክትርእየኒ ኢኻ፤ ገፀይ ግና ኣይረአን እዩ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓላት፥ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ። ንፅባሕ ንግሆ ድማ ተዳሎ፤ ኣንጊህኻ ኸዓ ናብ እምባ ሲና ደይብ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ድማ ኣብ ቅድመይ ደው በል። ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኵሉ እቲ እምባ ኸዓ ሓደ እኳ ኣይረአ፤ ኣባጊዕን ከፍትን ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኣይውፈራ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፀረበ። ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞውን፥ ንኽልቲአን ፅላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ እምባ ሲና ደየበ። እግዚኣብሄር ድማ ብደመና ወሪዱ ኣብ ጥቓ ሙሴ ደው በለሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ። እግዚኣብሄርውን ብቕድሚኡ ሓሊፉ “እግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄር፥ መሓሪ፥ ለጋስ፥ ዓቃል፥ ሕያዋይነቱን ሓቁን ዝበዝሐ፥ ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ሕያዋይነቱ ዝሕሉ፥ ዓመፅን ምጥሓስን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ” እናበለ ኣወጀ። ሙሴ ድማ ቐልጢፉ ኣብ ምድሪ ተምበርኪኹ ሰገደ። “ኦ ጐይታ! ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ፀጋ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንስኻ ምሳና ኺድ። እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ክሳድ እኳ እንተ ኾነ፥ ዓመፃናን ሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ኸዓ ተቐበለና” በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኺዳን እኣቱ ኣለኹ፤ ንእኡ ዝመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ተገይሩ ዘይፈልጥ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዘፍርሕ እዩ እሞ፥ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእኸሉ ዘለኻ ህዝቢ፥ ግብረይ ግብሪ እግዚኣብሄር ክርኢ እዩ። ነዝ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ሓልውዎ፤ እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንፌርዛውያንን ንሃዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ። ኣብ ማእኸልኩም መፈንጠር ከይኾኑስ፥ ምስቶም ኣብታ ንስኻትኩም እትኣትዉዋ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኪዳን ከይትተኣታተዉ ተጠንቀቑ። መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ስበሩ፤ እቲ ናይ መምለኺ ዓፀዳቶምውን ቍረፁ።” “እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገዱ። ደድሕሪ ኣማልኽቶም እንትስዕቡን ንኣማልኽቶም ክስውኡ እንተለዉን ከይዕድሙኹም እሞ ኻብ መስዋእቶም ምእንቲ ኸይትበልዑ፥ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ፥ ኪዳን ኣይትእተዉ። እተን ኣጓላቶም ከዓ ደድሕሪ ኣማልኽተን ክስዕባ እንተለዋ፥ ንደቅኹም ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከም ዝስዕቡ ኸይገብራኦም፥ ኣጓላቶም ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።” “ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።” “ንበዓል ቅጫ ሓልውዎ። ካብ ግብፂ ብወርሒ ኣቢብ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ በዝ ምዱብ ወርሒ እዙይ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።” “ሓደ እኳ ጥራሕ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይረአ።” “ሽዱሽተ መዓልቲ ስርሑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፉ። ጊዜ ማሕረስን ዓፂድን እንተ ኾነውን፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፉ።” “ኵሉ ተባዕታይኩም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ይረአ። ንኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ፤ ንኣዋሳኒኹም ድማ ኸስፍሖ እየ እሞ፥ እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ክትረአዩ ኢልኩም ክትመፁ እንተለኹም፥ ንምድሪኹም ዝምነያ ሰብ ኣይህሉን እዩ።” “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “በዝ ቓል እዙይ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፥ ነዝ ቓል እዙይ ፀሓፎ” በሎ። ሙሴ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን፥ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ነቲ ቓል ኪዳን፥ ዝኾነ ዓሰርተ ትእዛዛት፥ ኣብተን ፅላት ፀሓፎ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነተን ክልተ ፅላት ኪዳን ሒዙ፥ ካብ እምባ ሲና ኽወርድ እንተሎ፥ ምስ እግዚኣብሄር ብምዝራቡ፥ ገፁ ኸም ዘንፀባረቐ ኣይፈለጠን ነበረ። ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረአዩ፥ እንሆ ገፁ የንፀባርቕ ነበረ እሞ፥ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሑ። ሙሴ ግና ፀውዖም፤ ኣሮንን ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤልን ድማ ናብኡ ተመለሱ፤ ሙሴ ኸዓ ተዛረቦም። ድሕሪዙይ ከዓ ዅሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ዝሃቦ ትእዛዝ ነገሮም። ሙሴ ምስኣቶም ተዛሪቡ ምስ ወድአ ገፁ ተጐልበበ። ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ክዛረብ ናብ ቅድሚኡ ኽኣቱ እንተሎ፥ ካብኡ ኽሳዕ ዝወፅእ ነቲ ጕልባቡ ይቐልዖ ነበረ። ወፂኡ ኸዓ ነቲ ዝተኣዘዞ ነገር ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ ገፅ ሙሴ ኸም ዘንፀባርቕ ረአዩ፤ ሙሴ ኸዓ ምስ እግዚኣብሄር ንምዝራብ ኣብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝኣቱ ገፁ ይጕልበብ ነበረ። ሙሴ ድማ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣኪቡ፥ ከምዙይ በሎም፦ “እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝሃበኩም ትእዛዝ እዙይ እዩ፦ ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኹም ስርሑ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት፥ በዓል ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብኣኣ ስራሕ ዝሰርሐ ዅሉ ይቀተል። ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ሰፈርኩም ሓዊ እኳ ኣይተንድዱ።” ሙሴ ድማ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ፦ ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ቍርባን ኣቕርቡ፤ ናይ ልቢ ፍቓድ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ቍርባን የምፅእ፤ ዝፈቐዶ ወርቂ፥ ብሩር፥ ነሃስ፥ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን፥ ፀጕሪ ጤል፥ ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ቈራብቲ እንስሳ ባሕሪ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥ ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዘይትን ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን መስርሒ ዝኸውን ቀመማት፥ ኣብ ኤፉድን፥ ኣብ የማነ ፀጋም ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ኦኒክስን፥ ካልእ ክቡር እምንን፥ ንእግዚኣብሄር መባእ የምፅእ። “ኵሎም እቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ጥበበኛታት ይምፅኡ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ ይግበሩ፤ ነቲ ድንኳን ምስ ዓለባኡን መደረብታኡን ቍልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥ ታቦቱን መፃውሩን፥ እቲ ስርየት ዝርከበሉ መኽደንን ዝጋርዶ መጋረጃን፥ ሰደቓን እቲ መፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ከምኡ ኸዓ ሕብስቲ ቝርባን፥ እቲ ዘብርህ ቀዋሚ ቐንዲልን ኣቑሑኡን፥ መብራህትን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥ መሰውኢ ዕጣንን መፃውሩን፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን ምዑዝ ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን ዝኸውን መጋረጃን፥ ነቲ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውእን ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡ ንመፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡ፥ መጋረጃታት ቅፅርን ምስ ናይ ኣዕማዱን ኣእጋሩን፥ ከምኡ ኸዓ መጋረጃ ኣፍ ደገ ቕፅሪ፥ ሽኻላት ድንኳንን ሽኻላት ቅፅርን ምስ ኣግማዱን፥ ነቲ ኻህናት ኣብ መቕደስ ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ኣልባስ፥ ነቲ ካህን ኣሮን ዝለብሶ ቅዱስ ኣልባስን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን ይስርሑ።” ኵሉ እቲ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ሙሴ ወፀ። ኵሉ ልቡ ዝነኽኦ፥ ነፍሲ ወከፍ መንፈሱውን ዘለዓዓሎ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን መስርሒ መባእ ኣምፅአ፤ ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቅዱሳት ኣልባስን ዝኸውን ኣምፅአ። ድሌት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን መፂኦም፥ ቍልፍታትን ቀለበታት እዝንን ቀለበታት ኣፃብዕትን ኣምባራትን ኵሉ ኣቑሑ ወርቅን ሃቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መባእ ወርቂ ኣቕረበ። ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ሃርን ፀጕሪ ጤልን ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉን ቈራብቲ እንስሳ ባሕርን ዝነበሮ፥ ኵሉ ሰብ ኣምፅአ። ኵሉ ብሩርን ነሃስን ዘቕረበ፥ ከም መባእ ንእግዚኣብሄር ወፈየ። ነፍሲ ወከፍ ዕንፀይቲ ሰራው ዝነበሮ ሰብ፥ ንዝኾነ ስራሕ ኣገልግሎት ክኸውን ኣምፅአ። ጥበብ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን፥ ነቲ ዝፈተላኦ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን ኣምፅኣ። ኵለን ድሌትን ጥበብን ዘለወን ኣንስቲ ኸዓ ፀጕሪ ጤል ፈተላ። እቶም ኣሕሉቕ ድማ ኦኒክስን፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝዛነቕ ክቡር ኣእማንን፥ ንመብራህትን ንመቕብኢ ዘይትን ንምዑዝ ዕጣን ዝኸውን፥ ቀመማትን ዘይትን ኣምፅኡ። ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ደቂ እስራኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ክግበር ኢሉ ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ልቡ ዝፈቐዶ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር መባእ ኣምፅአ። ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ረአዩ፥ እግዚኣብሄር ንባስልኤል ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሁር፥ ካብ ነገድ ይሁዳ ሓረዮ። ንእኡ ድማ ብመንፈሱ መልኦ፤ ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ኽኽእል ከዓ፥ ጥበብን ፍልጠትን ክእለትን ሃቦ። ብብልሓት ንምብልሓት፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ንምስራሕ፥ ዝዛነቕ ኣእማን ንምቕራፅን ዕንፀይቲ ንምፅራብን፥ ኵሉ ዓይነት ናይ ስራሕ ብልሓት፥ ንእኡን ንኤልያብ፥ ወዲ ኣሂሳሚክ ካብ ነገድ ዳንን፥ ንኻልኦት ክምህሩ ኽእለት ሃቦም። ንኣኣቶም ኵሉ ስራሕ ብልሓትን ምቕራፅን ንምስራሕ፥ ካብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን ከዓ፥ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን፥ ንስራሕ ማእለማን ኵሉ ዓይነት ስራሕ ብብልሓት ንምሕሳብን፥ ብጥበባት መልኦም።” ስለዙይ “ባስልኤልን ኤልያብን ኵሎም ጥበብ ዘለዎም ሰባትን መቕደስ ንምስራሕ ዘድሊ ዅሉ ስራሕ ምስራሕ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ እግዚኣብሄር ጥበብን ምስትውዓልን ዝሃቦም፥ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ክገብሩ እዮም።” ሙሴ ድማ ንባስልኤልን ንኤልያብን፥ ንዅሎም እቶም መፂኦም ነዝ ስራሕ እዙይ ክሰርሑ ድሌት ዘለዎምን፥ እግዚኣብሄር ጥበብ ዘሕደረሎም ክኢላታት ሰባትን ፀውዐ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ደቂ እስራኤል ንስራሕ መቕደስ ኢሎም ዘምፅእዎ ዅሉ ውህብቶ፥ ክሰርሑሉ ኻብ ሙሴ ተቐበሉ። ንሳቶም ድማ፥ ነቲ ብድሌት ዝህብዎ ውህብቶ፥ ንግሆ ንግሆ የምፅእዎ ነበሩ። እቶም ንዅሉ ስራሕ መቕደስ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዅላቶም ጥበበኛታት፥ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ዝሰርሑዎ ዝነበሩ ስራሖም ናብ ሙሴ መፂኦም፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ክግበር ዝኣዘዞ ስራሕ ንምስራሕ ካብ እቲ ዘድሊ ሕልፊ የምፅእ ኣሎ” ኢሎም ተዛረብዎ። ሽዑ ሙሴ “ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንመስርሒ መቕደስ ዝኸውን ውህብቶ ኣይተምፅኡ” ኢሉ ኣብ ሰፈር ኣዘዘ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ኸየምፅኡ ተኸልከሉ፤ እቲ ዝተውሃበ ነቲ ዅሉ ዝስራሕ ስራሕ ኣኺሉ ዝተርፍ ነበረሞ። እቶም ነቲ ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዅሎም ጥበበኛታት፥ ነቲ ድንኳን ብዓሰርተ ዓለባታት ሰርሕዎ፤ ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ገበርዎ፤ ብብልሓት ዝተጠልፈ ምስሊ ኪሩቤል ከዓ ገበሩሉ። እቲ መጋረጃ ንውሓቱ ዕስራን ሾመንተን እመት፥ ወርዱ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ኵሉ እቲ ዓለባታት፥ ሓደ ዓይነት ስፍሪ ዘለዎ ነበረ። ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ንስንሳቱ ኣጋጠምዎ፤ ነቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ዓለባታትውን፥ ንሕድሕዱ ኣጋጠምዎ። ኣብቲ ቐዳማይ ዝተጋጠመ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ገበሩሉ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ድማ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸምኡ ገበሩሉ። ኣብቲ ሓደ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ኸዓ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። እቲ ቐለበታት ድማ፥ ንሕድሕዱ ኸም ዝራኸብ ገበርዎ። ሓምሳ ቝልፊ ወርቂ ኸዓ ሰርሑ እሞ፥ ነቲ ዓለባታት በቲ ቝልፍታት ንስንሳቱ ኣጋጠምዎ። እቲ ድንኳን ድማ ሓደ ኾነ። ንመደረብታ እቲ ድንኳን ድማ፥ ካብ ፀጕሪ ጤል ዓለባታት ገበሩ። ኵሉ እቲ ዓለባታት ዓሰርተ ሓደ መጋረጃታት ነበረ። እቲ ዓለባ ንውሓቱ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ፤ እቲ ዓሰርተ ሓደ መጋረጃታት ከዓ ማዕረ ነበረ። ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ንበይኑ ኣብ ሓደ፥ ነቲ ሽዱሽተ ዓለባ ኸዓ ንበይኑ ኣብ ሓደ ኣጋጠምዎ። ኣብቲ ቐዳማይ ዝተጋጠመ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ኸዓ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። እቲ መደረብታ ኽጋጠም እሞ ሓደ ክኸውን፥ ሓምሳ ቝልፊ ነሃስ ገበሩ። ነቲ መደረብታ ድማ፥ ካብ ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ መኽደን ገበሩሉ። ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ፥ ካብ ቈርበት እንስሳ ባሕሪ፥ ካልእ መኽደን ገበሩሉ። ነቲ ድንኳን ከዓ፥ ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ደው ዝብል ሉሕ ገበሩሉ። እቲ ሉሕ ንውሓቱ ዓሰርተ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመትን ፈረቓን ነበረ። ነንሕድሕድ ሉሕ መጣምቲ ዝኾኑ ኸክልተ መተሓሓዚ ገበሩሉ። ንዅሉ እቲ ሉሓት ድንኳን ከዓ ኸምኡ ገበሩሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ድንኳን ዕስራ ሉሓት ገበሩሉ። ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ፥ ብብሩር ዝተሰርሐ ኣርብዓ እግሪ ገይሮም፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽልተ መተሓሓዚ ዘለዎ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሓት ከዓ፥ ንኽልተ ጉጭ ከክልተ እግሪ ገበሩሉ። በቲ ኻልኣይ ወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ድማ፥ ዕስራ ሉሕ፥ ገበሩ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ከክልተ እግሪ እናገበሩ፥ ብብሩር ኣርብዓ እግሪ ሰርሑ። ብድሕሪኡ ብወገን ምዕራብ ድንኳን፥ ሽዱሽተ ሉሕ ገበሩ። ንዅርናዓቱ ኸዓ ኽልተ ሉሕ ገበሩሉ። እዙይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ላዕሊ፥ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ድርብ ነበረ። ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ዅርናዕ ከምኡ ገበሩሉ። እቲ ሉሓት ሸሞንተ፥ እቲ ብብሩር ዝተገብረ ኣእጋር ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፥ ዓሰርተ ሽዱሽተ እግሪ ነበረ። ብዕንፀይቲ ሰራው ድማ ጋድማት ገበሩ፤ ብሓደ ወገን ድንኳን ንዘሎ ሉሓት ሓሙሽተ፥ ብኻልኣይ ወገን ድንኳን ንዘሎ ሉሓት ከዓ ሓሙሽተ ጋድም፥ ብድሕሪኡ ብወገን ምዕራቡ ንዘሎ ሉሓት ድማ፥ ሓሙሽተ ጋድም ገበሩ። ነቲ ማእኸላይ ጋድም ከዓ ብማእኸል እቲ ሉሓት ገይሩ፥ ካብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ሓደ ወሰን ከም ዝሓልፍ ገበርዎ። ነቲ ሉሓት ብወርቂ ለበጥዎ፤ ነቲ ጋድማት ዝኣትዎ ቐለበታት ድማ ብወርቂ ገበርዎ፤ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለበጥዎ። ነቲ መጋረጃ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ሰርሕዎ። ብብልሓት ዝተጠልፉ ኪሩቤል ድማ ሰኣሉሉ። ካብ ዘይነቅዝ ዕንፀይቲ ኣርባዕተ ዓምዲ ገበሩ። ብወርቂ ኸዓ ለበጥዎ፤ መሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ነበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበሩ። መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከዓ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ብውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ዝተፍሓሰ ሃርን ገይሮም ጠለፍዎ። ነቲ ሓሙሽተ ኣዕምዱ ድማ፥ ምስ መሰቓቐሊኡ ገበርዎ። ነቲ ጕልላቱን ዘንግታቱን ብወርቂ ለበጥዎ። እቲ ሓሙሽተ ኣእጋሩ ኸዓ ነሃስ ነበረ። ባስልኤል ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ታቦት ሰርሐ፤ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ስፍሓቱ ኸዓ እመትን ፈረቓን፥ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ። ውሽጡን ደገኡን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፥ ክልተ ቐለበት ብሓደ ወገን፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ወገን ገበሮ። ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ መፃውር ሰርሐ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ። እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽፅወር ድማ፥ ነቲ መፃውር ናብቲ ኣብ ጐኒ ታቦት ዘሎ ቐለበታት ኣእተዎ። ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ስፍሓቱ እመትን ፈረቓን ዝኾነ፥ መኽደን መስተስረዪ ገበረ። ወርቂ ቐጥቂጡ ኽልተ ኪሩቤል ሰርሐ። ብኽልተ ወገኑ ነቲ መኽደን መስተስረዪ ገበሮ። ሓደ ኪሩቤል ብሓደ ወሰን፥ ሓደ ኪሩቤል ድማ በቲ ሓደ ወሰን፥ ምስቲ መኽደን መስተስረዪ፥ ብሓደ ኣላጊቡ ሰርሖም። እቶም ኪሩቤል መጠማምቲ ነበሩ፤ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፥ ነቲ መኽደን መስተስረዪ በኽናፎም የፅልሉሉ ነበሩ። ገፆም ከዓ ናብቲ መኽደን መስተስረዪ ኣቢሉ ነበረ። ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ኸዓ ንውሓቱ ኽልተ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመት፥ ምብራኹ ድማ እመትን ፈረቓን ዝኾነ ጠረጴዛ ሰርሐ። ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፤ ነቲ ዙርያኡ ኸዓ ወርቂ ኣኽሊል ገበረሉ። ነቲ ዙርያኡውን ግናዕ ዝምግፋሑ ኽባስ ገበረሉ፤ ነቲ ኽባስ ከዓ ኣብ ልዕሊዑ ብወርቂ ኣኽሊል ኸፈፎ። ወርቂ ኣፍሲሱ ኣርባዕተ ቐለበት ገበረ፤ ንኣኣተን ድማ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝን ገበረ። እቲ ቐለበታት፥ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ እሞ፥ እቲ ጠረጴዛ ብእኡ ኽፅወር፥ ኣብ ጥቓ እቲ ኽባስ ነበረ። ነቲ መፆሪ ጠረጴዛ ዝኾነ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ሰርሖ፤ ብወርቂ ድማ ለበጦ። ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዝቕመጥ ኣቑሑ፥ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን፥ ነቲ መስዋእቲ መስተ ዘፍስሰሉ ዅስኵስትታትን፥ ብፅሩይ ወርቂ ሰርሖ። ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ ቐዋሚ ቐንዲል ሰርሐ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ምስ እግሩን ዘንጉን፥ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ሰርሖ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባ፥ ነቲ ጕንዱ ድማ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ገይሩ ሰርሖ። ብኽልተ ጐኑ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሽዱሽተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ሰለስተ፥ ብሓደ ወገኑ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ነበሮ። በቲ ቐዳማይ ጨንፈር ዝመዓጐን ዕንበባኡን ሰለስተ ናይ ለውዚ ዕንበባ ዝመስሉ ፅዋዓት፥ ኣብቲ ኻልኣይ ጨንፈር ድማ ዝመዓጐን ዕንበባኡን፥ ሰለስተ ናይ ለውዚ ዕንበባ ዝመስሉን ፅዋዓት፥ ከምኡውን ካብቲ ቐንዲል ንዝወፁ፥ ነቶም ሽዱሽተ ጨናፍር ገበረ። ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከዓ፥ ዕምበባ ለውዚ ዝመስል ኣርባዕተ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን ዝመዓጐ ዕምበባን ነበረ። ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ኣብ ትሕቲ ቐዳመይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኻልአይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሳልሰይቲ ፅምዲ ጨንፈር ነበረ። እተን ጨናፍር ብዝሐን ሽዱሽተ ነበራ። እቲ ዝመዓጐ ዕምበባን ጨናፍርን ምስቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ፅሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ። ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ፥ መዀስተርን መዋህለሊ ርስሓትን ዘለዎ ሸውዓተ ቕሉዕ ቐንዲል ገበረ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ንዅሉ ኣቑሑኡን፥ ብሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ ገይሩ ሰርሖ። ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ፥ ዕጣን ዝትክየሉ መሰውኢ ሰርሐ። ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ነበረ፤ ንውሓቱ ሓደ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመት፥ ምብራኹ ድማ ኽልተ እመት ነበረ። ነቲ መሰውኢ ፀሪቡ ኸዓ ኣቕርንቲ ኣውፅአሉ። ላዕላዩን ኵሉ ወገኑን ምስ ኣቕርንቱ፥ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ድማ ናይ ወርቂ ኸፈፍ ገበረሉ። ኣብ ትሕቲ ኸፈፍ ድማ፥ ክልተ ናይ ወርቂ ቐለበት ገበረሉ። መፆሪ ምእንቲ ክኸውን ብኽልተ ጐኑ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፊኡ ገበሮ። እቲ መፃውር ኣብኡ ምእንቲ ኽኣቱ፥ ብኽልተ ወገኑ ኣጥበቖ። ነቲ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ሰርሖ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ። ነቲ ዝቕባእ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣትን፥ ነቲ ፅሩይ ምዑዝ ዕጣንን ድማ፥ ከምቲ ብኽኢላ ቐማሚ ዝግበር ገይሩ ኣዳለዎ። ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ፥ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውኢ ገበረ። እቲ መሰውኢ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፤ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ነበረ። በርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ገበረሉ። ነቲ ኣቕርንቲ ምስቲ መሰውኢ ብሓደ ኣልጊቡ ሰርሖ፤ ብነሃስ ከዓ ለበጦ። ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ቍራዕን መፅሓሪን ውንጭሕትን መውግኢ ስጋን ምድጃን ገበረ፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ብነሃስ ሰርሖ። ነቲ መሰውኢ ዝኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ፥ ብነሃስ ሰሪሑ ኣብ ትሕቲ መንከስ እቲ መሰውኢ ኣልገቦ፤ ብወገን ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ኸም ዝበፅሕ ድማ ገበሮ። ነቲ ኣርባዕተ መኣዝን መጋረዲ ነሃስ ከዓ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ፥ ኣርባዕተ ቐለበት ገበረሉ፤ መፃውር ከዓ ብዕንፀይቲ ሰራው ገበረ፤ ብነሃስ ድማ ለበጦ። ነቲ መፃውር ድማ፥ መፆሪ ምእንቲ ክኸውን፥ ናብቲ ኣብ ጐኒ መሰውኢ ዘሎ ቐለበታት ኣእተዎ። እቲ መፃውር ካብ ሉሕ ጓንጓ ኾይኑ ዝተሰርሐ ነበረ። ነቲ ገበራ ብነሃስ ገይሩ ሰርሐ፤ ምስ ኣጋሮኡ ሰርሐ፤ እዝ ነሃስ እዙይ፥ እተን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን የገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ፥ ዘምፅኣኦ ናይ ነሃስ መስትያት እዩ። ቅፅሪ ድማ ገበረሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ፥ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ ዕስራ ኣዕምዲ ገበረ፤ ናይቶም ኣዕማድ መሰቓቐልን ዘንግታትን ብብሩር ዝተሰርሐ ነበረ። ከምኡ ድማ ብወገን ሰሜን፥ ኣርብዓን ሽዱሽተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ሰርሐሉ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ ዕስራ ኣዕምዲ ድማ ነበረ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ። ብወገን ምዕራብ ድማ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበረ። ዓሰርተ መርገፂ ዘለዎ ዓሰርተ ኣዕምዲ ድማ ነበረ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ። ብወገን ምብራቕ ድማ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምስፍሑ ነበረ። እቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ወገኑ፥ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ዓምዲ ድማ ነበሮ። ብኻልኣይ ወገኑ ድማ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ፤ ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ኸዓ ነበሮ። ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ቕፅሪ ዝነበረ መጋረጃታት፥ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ ነበረ። ኣእጋር እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ካብ ነሃስ ነበረ። ናይቶም ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ። ጕልላት እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፤ ኵሉ ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ እውን ዘንግታት ብሩር ነበሮ። መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ድማ ኻብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቐይሕ ዓለባን፥ ዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ ነበረ። ከምቲ መጋረጃታት ቅፅሪ፥ ንውሓቱ ዕስራ እመት ቁመቱ ሓሙሽተ እመት ነበረ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣርባዕተ ኣዕማድን፥ ኣርባዕተ መርገፂን ድማ ነበሮ። መሰቓቐሊኡን ዘንግታቱን ብሩር ነበረ፤ ጕልላቱ ድማ ብብሩር ዝተለበጠ ነበረ። ሽኻላት እቲ ድንኳንን ሽኻላት እቲ ቕፅርን ብምሉኡ ብነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ። ነቲ መሕደሪ ድንኳን ንሱውን እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሌዋውያን ብኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ተመሪሖም፥ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣቑሑ እዙይ እዩ። እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ። ኤልያብ፥ ወዲ ኣሒሳማክ ካብ ነገድ ዳን ከዓ ምስኡ ነበረ። ንሱ ቐራፅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቐይሕ ዓለባን ሃርን ዝሰርሕ ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ። እቲ ንዅሉ ስራሕ ቤተ መቕደስ መስርሒ ክኸውን ዝተውሃበ ወርቂ፥ ሽሕ ኪሎ ግራም ኮነ። በቶም ዝተቘፀሩ ህዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ብሩር ድማ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ኪሎ ግራም ኮነ። እዝ ፀብፃብ እዙይ ደቂ እስራኤል ክቝፀሩ እንተለዉ፥ እቶም ዝተቘፀሩ ሰባት ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝኸፈልዎ ድምር እዩ። እቶም ዝተቘፀሩ ድማ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ነበሩ። ካብቲ ብሩር፥ ንሓደ መርገፂ ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ብምፍሳስ፥ ነቲ ድንኳንን ነቲ መጋረጃታትን ዝኸውን፥ ሚእቲ መርገፂ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩር ወድአ። በቲ ሰላሳ ኺሎ ግራም ብሩር ድማ፥ ነቲ ኣዕምዲ መሰቓቐሊ ገበረሉ፤ ንጕልላቱ ኸዓ ለበጦ፤ ዘንግታትውን ገበረሉ። እቲ ዝተውሃበ ነሃስ ድማ፥ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ነበረ። ብእኡ ገይሩ መርገፂ ኣፍ ደገ ናይቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ መሰውኢ ምስ መጋረዲኡን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውእን፥ ኣእጋር ቅፅርን መርገፂ ኣፍ ደገ ቅፅርን፥ ኵሉ ሽኻላት ድንኳንን ኵሉ ሽኻላት ቅፅርን ሰርሐ። ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን ገይሮም፥ ኣብ መቕደስ ንዘገልግሉሉ ዝተኣለመ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣዳለዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባሳት ገበሩሉ። ነቲ ኤፉድ ብወርቅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ካብ ፅቡቕ ኤፉድ ገይሮም ሰርሕዎ። ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ። ምስ ሰማያዊ ሓምራዊ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ምስ ሃርን ክኢላ ሰብ ብብልሓት ምእንቲ ኽኣልሞ፥ ከም ፈትሊ ገይሮም ኣዳለውዎ። ክልቲኡ ጫፍ ንኽጋጠም፥ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ማእገር ዝጋጠም ልብሲ ገበርዎ። እቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቅን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተሰርሐ ነበረ። ብትንጎ ወርቂ ዝተኸበ እምኒ ኦኒክስ ኣዳለዉ፤ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይሮም ከዓ ስም ደቂ እስራኤል ቀረፁሉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ክኸውን፥ ኣብ ልዕሊ ማእገር ኣብ ዝውዕል ኤፉድ ገበርዎ። ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ክኢላ ዝተገብረ፥ ከምቲ ስራሕ ኤፉድ ገይሮም ብወርቅን ብሰማያዊን፥ ብሓምራዊን፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገበርዎ። ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ዝኾነ ኣርባዕተ መኣዝኑ ድርብ ነበረ። ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቝ ድማ ኣዛነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፦ ሰርድዮን፥ ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ፤ ኣብ ካልኣይ መስርዕ፦ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ፤ ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፦ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ፤ ኣብ ራብዓይ መስርዕ፦ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ፤ እዝ ዅሉ ብወርቂ ኣብ ዝተገብረ ትንጎ ተሰዂዑ ነበረ። እቲ ኣእማን ድማ፥ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ነበረ። ስም እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ፥ ከም ቅርፂ ማሕተም ኣብቲ ኽቡር ኣእማን ተቐርፀ። ንሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝኸውን ድማ፥ ብፅሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ፍሒሶም ሰንሰለታት ገበሩ። ክልተ ትንጎ ወርቅን ክልተ ቐለበት ወርቅን ገበሩ እሞ፥ ነቲ ኽልተ ቐለበት ኣብቲ ኽልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ። ነቲ ኽልተ ትንጎ ወርቂ ድማ፥ ኣብቲ ወሰና ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለበት ገበርዎ። ነቲ ኽልተ ኻልእ ኣንፊ ናይቲ ኽልተ ትንጎ ድማ፥ ኣብቲ ኽልተ መሰኵዒ ኣጋጢሞም፥ ኣብቲ ኽልተ ማእገር ኤፉድ ብወገን ቅድሚት ገበርዎ። ክልተ ቐለበት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብ ወገን ኤፉድ ዘሎ ውሽጣዊ ጠርዚ ገበርዎ። ሽዑ ኽልተ ቐለበት ወርቂ ገበሩ እሞ፥ ኣብ ክልቲኡ ማእገር ኤፉድ ብታሕቲ፥ ብወገን ቅድሚት፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቅናት ኤፉድ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዝጋጠመሉ ገበርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ክኸውን፥ ካብቲ ኤፉድ ድማ ኸይፍለ፥ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ብቐለበታቱ ምስ ቀለበታት ኤፉድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ። ነቲ ናይ ላዕሊ ኤፉድ ቐሚሽ ብምሉኡ፥ ብሰማያዊ ኻብ ዝተኣልመ ዓለባ ገበርዎ። እቲ ኣብ ማእኸል እቲ ቐሚሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቕደድ፥ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሮም፥ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ኸበስዎ። ነቲ ቐሚሽ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ዘፈሩ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ፥ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገይሮም ሮማናት ገበሩሉ። ብፅሩይ ወርቂ ገይሮም ድማ ቓጭላት ገበሩ። ነቲ ቓጭላት ምስቲ ሮማናት እናዛነቑ፥ ኣብ ዘፈር እቲ ቐሚሽ፥ ብዙርያኡ ገበርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከገልግሉ እንተለዉ ምእንቲ ኽለብስዎ፥ ሓደ ቓጭልን ሓደ ሮማንን እናዛነቑ ኣብ ዘፈር እቲ ቐሚሽ ብዙርያኡ ገበሩ። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብሃሪ ገይሮም፥ ብማእለማ ዝተኣልመ ቐማውሽ ታሕትን፥ መጠምጠምያን ናይ ገይፂ ቖብዕን ገበሩሎም። ስረታት ድማ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ገበሩሎም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ቕናት ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብምጥላፍ ዝተሰርሐ ነበረ። ብፅሩይ ወርቂ ቅዱስ ኣኽሊል ሰሪሖም ድማ፥ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይሮም “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ፅሕፈት ፀሓፉሉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ምእንቲ ኽእሰር፥ ኣብቲ ኣኽሊል ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩ። ኵሉ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተሰሪሑ ተፈፀመ። ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ። ሽዑ ነቲ ድንኳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ቝልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥ ነቲ መደረብታ ዝኸውን ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጕላታትን፥ ልስሉስ ቈራብትን፥ ነቲ ዝጋረድ መጋረጃን፥ ነቲ ታቦት ኪዳንን መፃውሩን ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን፥ ነቲ ጠረጴዛ ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ሕብስቲ ቝርባንን፥ ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ ቀንዲሉ፥ ኵሉ መሳርሒኡን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥ ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ምዑዝ ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን መዕፀዊ ዝኸውን መጋረጃን፥ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ምስቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡን መፃውሩን፥ ኵሉ ኣቑሑኡን ገበራን ኣጋሮኡን፥ ነቲ መጋረጃታት ቅፅሪ ምስ ኣዕምዱን መርገፂኡን፥ ነቲ መጋረጃታት ኣፍ ደገ ቕፅሪ ምስ ኣግማዱን ሽኻላቱን፥ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ዝውዕል ኵሉ ኣቑሑን፥ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መቕደስ ዝውዕል ዝተጠልፈ ኣልባሳት፥ ነቲ ቅዱሳት ኣልባሳት እቲ ኻህን ኣሮንን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገይሮም ሰርሕዎ። ሙሴ ድማ ንዅሉ ስራሕ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሮም ከም ዝሰርሕዎ ሪኡ ባረኾም። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ መሕደሪ ትኸሎ። ነቲ ታቦት ኪዳን ኣብኡ ኣንብሮ፤ መጋረጃ ጌርካ ኸዓ ጋርዶ። ነቲ ጠረጴዛ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፥ እቲ ኣብኡ ዝቕመጥ ኣቑሑ ስርዐሉ። ቀዋሚ ቐንዲል ኣእቲኻ ኸዓ፥ እቲ ቐናዲሉ ኣንብረሉ። ነቲ ብወርቂ ዝተገብረ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ፤ ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከዓ ብመጋረጃ ጋርዶ። “ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ግበሮ። ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንብሮ፤ ማይ ከዓ ግበረሉ። ነቲ ቕፅሪ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፤ ነቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ግበሮ። “መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ኸዓ፥ ነቲ ድንኳንን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅብኣዮ፤ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ክኸውን እዩ። ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውኢን ንዅሉ ኣቑሑኡን ድማ ቕብኣዮ፤ ነቲ መሰውኢውን ቐድሶ እሞ፥ እቲ መሰውኢ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ። ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ከዓ ቕብኣዮን ቀድሶን። “ንኣሮንን ንደቁን ድማ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕሪብካ ብማይ ሕፀቦም። ንኣሮን እቲ ቅዱስ ልብሲ ኸዲንካ ድማ፥ ካህነይ ክኸውን፥ ቅብኣዮን ቀድሶን። ንደቁ ኸዓ ኣቕሪብካ ቐማውሽ ኽደኖም። ነቦኦም ከም ዝቐባእኻዮ፥ ንኣኣቶም ድማ ኻህናተይ ክኾኑኒ ቕብኣዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም፥ ብኽህነት ከገልግሉኒ ዘለኣለማዊ ምቕባእ ይኹነሎም።” ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ እቲ ድንኳን ተተኽለ። ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ኣቖሞ፤ ኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ሉሓቱ ኣቖሞ፤ ጋድማቱ ኣእተወ፤ ኣዕምዱውን ተኸለ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ሙሴ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዓለባ ዘርግሐሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ ገበረሉ። ነቲ ፅላት ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ፥ ነቲ ታቦት መፃውር ገበረሉ፤ ነቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደን ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ኣንበሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ድንኳን ኣእተዎ፤ ነቲ ዝጋረድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ጋረዶ። ነቲ ጠረጴዛ ኸዓ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ። ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ጠረጴዛ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ መንፅር ጠረጴዛ፥ ብወገን ደቡብ ድንኳን ኣንበሮ። ነቲ ቐንዲል ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ። ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ዕጣን ድማ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ኣብኡ ምዑዝ ዕጣን ዓጠነ። ነቲ መጋረጃ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ገበሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መሕደሪ ናይ መራኸቢ ድንኳን ኣንበሮ እሞ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣብኡ ኣቕረበ። ነቲ ገበራ ድማ፥ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢሩ፥ ንመሕፀቢ ዝኸውን ማይ መልኦ። ሙሴን ኣሮንን ደቁን ከዓ፥ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕፀቡ ነበሩ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉን፥ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ይሕፀቡ ነበሩ። ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ከዓ፥ ቅፅሪ ኣቖመ፤ ነቲ ኣፍ ደገ ቕፅሪ ድማ፥ መጋረጃ ጋረደሉ። ሙሴ ነቲ ስራሕ በዝ ኸምዙይ ፈፀሞ። ብድሕሪኡ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ደመና ሸፈኖ፤ ነቲ ድንኳን ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር መልኦ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈ፥ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ነቲ ድንኳን መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ ሙሴ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣቱ ኣይከኣለን። እቲ ደመና ኻብቲ ድንኳን እንትለዓል፥ ደቂ እስራኤል ብዅሉ መንገዶም ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ ደመና እንተ ዘይተልዒሉ ግና፥ ክሳዕ ዝለዓል ኣይጐዓዙን ነበሩ። ብዅሉ መንገዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ደመና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ነበረሞ፥ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኣብኡ ነበረ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ፀውዖ፤ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኑ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ ሓደ ኻባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ካብ እንስሳኡ መስዋእቲ ኸቕርብ እንተሎ፥ ካብ ከፍቱ ወይ ካብ በጊዕ ወይ ካብ ጤል የቕርብ። እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ። ኣብ ርእሲ እቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ክኸውን ኢሉ ዘምፅኦ እንስሳ ኢዱ የንብር፤ ንሱ ሓጢኣቱ ኸስተስርየሉ ቕቡል መስዋእቲ ክኸውን እዩ። ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድመይ ይሕረዶ፤ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደሙ ናባይ የቕርብዎ። ኣብቲ መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ቘርበቱ ገፊፉ በብብልዕቱ ይቝረፆ። ደቂ እቲ ኻህን ኣሮን ከዓ ኣብ መሰውኢ፥ ሓዊ የንድዱ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ድማ ዕንፀይቲ ይረብርቡ። እቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ በብብልዕቱ ዝተቘራረፀ ስጋ፥ ምስ ናይ ርእስን ስብሕን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዕዎ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለ በጊዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ንዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ። ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንፀግዎ። በብብልዕቱ ምስ ርእሱን ስብሑን ይቝረፆ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዓዮ። ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ብምሉኡ የቕርቦ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ። እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ባሪቶ ወይ ርግቢ የቕርብ። እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፥ ነቲ ርእሱ ጠውዩ ይቘልዕሞ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ፤ እቲ ደሙ ኸዓ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይፅፈፍ። ጭንጭራኡ ምስ ናይ ክንቲቱ ናብ ጐድኒ መሰውኢ ብወገን ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓሙዅሽቲ ይደርብዮ። በኽናፉ ይጭደዶ፤ ግና ኣይፈላልዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ። ዝኾነ ሰብ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኸቕርብ እንተሎ፥ እቲ መስዋእቱ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ናብቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይትን ዕጣንን ዝተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ብምሉኡ ኸም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ቍርባን፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። እቲ ኻብ መስዋእቲ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ግና ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል ቍርባን ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ቝርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ድማ፥ ብልሑም ሕሩጭ ጌርካ፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ወይ ከዓ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን። ቍርባንካ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ናይ እኽሊ ቝርባን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ናይ ልሑም ቅጫ ይኹን። ቈራሪስካ ኸዓ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ንሱ ቝርባን እኽሊ እዩ። ቍርባንካ ኣብ ቝራዕ ዝበሰለ ቝርባን እኽሊ እንተ ኾይኑ፥ ብልሑም ሕሩጭን ብዘይትን ይገበር። ነቲ ኻብዝ ነገርዙይ ዝተገብረ ቝርባን እኽሊ ናብ እግዚኣብሄር ኣምፅኣዮ፤ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፤ ንሱ ኸዓ ናብ መሰውኢ የቕርቦ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ቝርባን እኽሊ ንመዘከርታ ዝኸውን ኣልዒሉ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። እቲ ኻብ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ዝበዅዐ ኣይኹን። ዝበዅዐ ኾነ ወይ መዓር ብሓዊ ኣቃፂልካ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣይተቕርብ። ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ፤ ግና ኸም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይቃፀል። ንዅሉ ናይ እኽሊ ቝርባንካ ብጨው ኣመቅሮ፤ ኣብቲ ናይ እኽሊ መስዋእትኻ፥ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይጕደል። ኣብ ኵሉ መስዋእትኻውን ጨው ኣቕርብ። ካብ በዅሪ ፍርያትካ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ እንተ ኣቕረብካ፥ ዝተጠብሰ ሸዊት ሓሲኻን በቊፅካን ኣቕርብ። ኣብ ልዕሊኡ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ግበረሉ። እዙይ ቍርባን እኽሊ እዩ። እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኵሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የቃፅሎ፤ እዙይ ንእግዚኣብሄር ናይ ሓዊ ቝርባን እዩ። እቲ ቝርባን መስዋእቲ ምስጋና እንተ ኾይኑ፥ ካብ መጓሰ ኸፍቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ። ኢዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ የንብር፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸዓ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን፥ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር የቕርብ፤ ንናይ ውሽጢ ኣካላቱ ዝኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ክልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ምስቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ፈልዩ የቕርብ። ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የቃፅልዎ። እዙይ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ የቕርብ። መስዋእቱ ጡበት በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ። ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ እንስሳ ድማ ነቲ ስብሑ፥ ሕልሕሉ ብምሉኡ ኻብ ቀራፂቶ ፈልዩ፥ ነቲ ውሽጣዊ ኣካል ዝኸድን ስብሕን ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካል ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲአን ኵላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዙይ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። እቲ መስዋእቲ፥ ጤል እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ጤል ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። ካብቲ መስዋእቲ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርብ። እቲ ኻህን ድማ ኸም መስዋእቲ ብልዒ ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ብሓዊ የቃፅሎ። ኵሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። ስብሒን ደምን ኣይትብልዑ፤ እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ኻብ ዝኣዘዞ፥ ሓንቲ ብምጥሓሱ ብዘይ ምፍላጥ ሓጢኣት እንተ ገበረ ኸምዙይ ይግበር፦ እቲ ሓጢኣት ዝገበረ፥ ዝተቐብአ ካህን እንተ ኾይኑ፥ እሞ በዙይ ነቲ ህዝቢ በደል ክቝፀረሎም እንተ ገበረ፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ መስዋእቲ የቕርብ። ነቲ ዝራብዕ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ይሕረዶ። እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የእትዎ። ሽዑ እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ መቕደስ ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ምዑዝ ዕጣን ኣብ ዝዓጥነሉ ቐርኒ መሰውኢ ኻብቲ ደም ይልከዮ። እቲ ዝተረፈ ደም ዝራብዕ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ። ካብቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተሰውአ ዝራብዕ ኵሉ ስብሒ፥ እቲ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ስብሕን የልዕል። ከምኡ ኸዓ ኽልቲኡ ዅላሊትን ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል። ከምቲ ኻብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ዝራብዕ፥ ዝለዓል ከምኡ የልዕል። ነዙይ እቲ ኻህን ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የቃፅሎ። ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኵሉ ስጋኡን ምስ ናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዱን ፈርሱን፥ እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ወፃኢ ናብታ ሓሙዅሽቲ ዝፈሰላ ናብ ንፁህ ቦታ ይውሰዶ። ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ገይሩ ብሓዊ የቃፅሎ። ኣብታ ሓሙዅሽቲ ዝጐሓፈላ ቦታ ይቃፀል። ኵሎም ማሕበር ህዝቢ እስራኤል እንተ ሰሓቱ፥ እቲ ነገር ከዓ በቲ ማሕበር እንተ ዘይተፈለጠ፥ ካብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ሓደ ብምጥሓስ እንተ በደሉ፥ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈልጠ፥ እታ ማሕበር ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ ተቕርብ፤ ናብ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ የምፅእዎ። እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፤ እቲ ዝራብዕ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ። እቲ ዝተቐብአ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀጎ። ካብቲ ደም ከዓ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ። ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ ኻብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ነዝ ዝራብዕ እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ዝገበሮ፥ ከምኡ ይግበሮ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣቶም የስተስርየሎም፤ ንሳቶምውን ይቕረ ኽበሃለሎም እዩ። ነቲ ዝራብዕ ድማ ኻብቲ ሰፈር ንወፃኢ የውፅኣዮ፤ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘቃፀሎ፥ የቃፅሎ። እዙይ ናይቲ ማሕበር መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። ሓደ ሹም ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ እንተይፈለጠውን ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይትግበር ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱ እንተ በደለ፥ ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ንመስዋእቲ ዝኸውን ካብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዘይብሉ ጤል የምፅእ። ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ጤል የንብር፤ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ኸዓ ይሕረዶ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ደም እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝሕረድ ጤል በፃብዕቱ ይውሰድ፤ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ኣቕርንቲ መሰውኢ ይልከዮ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ። ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ፥ ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ዝገበሮ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ድማ ኸምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓደ ሰብ፥ እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱውን እንተ በደለ፥ ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ምእንቲ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ እትኸውን፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ ጤል የምፅእ። ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ጤል የንብር፤ ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቦታ ድማ ይሕረዳ። እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደማ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዅሉ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይፍለዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣት የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ሓጢኣቱ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ካብ ኣባጊዑ እንተ ኣምፅአ ኸዓ፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ በጊዕ የቕርብ፤ ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ በጊዕ የንብር፤ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ምእንቲ ሓጢኣቱ ይሕረዳ። እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ በፃብዕቱ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዝተረፈ ደማ ኣብቲ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ጡበት በጊዕ ዝወስድዎ፥ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይውሰዶ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝግበር ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። ዝኾነ ሰብ ቃል ማሕላ ሰሚዑ ንሱ ብዝረአዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኮይኑ እንተ ዘይገለፆ ብእኡ ሓጢኣት ገይሩ እዩሞ፥ በደሉ ይፀውር። ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ዝረኸሰ ነገር፥ ገምቢ ዝረኸሰ ኣራዊት፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ እንስሳ፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ ብለመምታ ዝንቀሳቐስ እንተ ነኽአ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ። ዝኾነ ሰብ ነቲ ብዝኾነ ይኹን ከርክሶ ዝኽእል ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ ነገር እንተ ነኽአ፥ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ። ዝኾነ ሰብ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር፥ ከምቲ ገሊኣቶም ሰባት ብዘይ ምስትውዓል ዝምሕልዎ፥ እንተይፈለጠ እንተ መሓለ፥ ምስ ተፈለጦ ብሓደ ኻብዝ ነገር በዳሊ እዩ። ሓደ ሰብ ካብዝ ነገር እዙይ ብሓደ ነገር እንተ በደለ፥ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ። በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ካብ መጓሰኡ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ሓንቲ በጊዕ ወይ ሓንቲ ጤል ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እቲ ኻህን ከዓ ንኣኣ ሰዊኡ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ። ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ። ናብ ካህን የምፅኣየን፤ ንሱ ኸዓ ቕድም ነታ ምእንቲ ሓጢኣት መስዋእቲ እትኸውን የቕርባ፤ ርእሳ እንተይቈረፀ፥ ክሳዳ ጠውዩ ይቖልዕማ። ካብ ደም ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ፥ ጐድኒ መሰውኢ ይንፀግ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ኸምቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ ስርዓት ገይሩ የቕርባ። እቲ ኻህን ድማ በቲ ዝበደሎ ሓጢኣቱ ኸምዙይ ገይሩ ስርየት ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። ንኽልተ ባሪቶ ወይ ንኽልተ ርግቢ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝስውኦ፥ ዓስራይ ክፍሊ መስፈሪ ኢፍ ናብቲ ኻህን ድማ የምፅኣዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ብምሉኡ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኻብኡ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝግበር መስዋእቲ የቃፅሎ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። ካብዝ ነገር እዙይ ብሓዲኡ ንዝበደለ፥ እቲ ኻህን ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኸምቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ንኻህናት ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነገር እንተይፈለጠ በደል እንተ በደለ፥ ክንዲ በደሉ መስዋእቲ ዝቐርብ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተገመተ ሰቕሊ ብሩር፥ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ንመስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምፅእ። በቲ ኣብቲ ቕዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሓስ፤ ሓምሻይ ኣፍ ከዓ ይወስኸሉ፤ ንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከዓ በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። ሓደ ሰብ ካብቲ ዅሉ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ፥ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ሓንቲ ብምጥሓሱ እንተ በደለ፥ እንተይፈለጠ እኳ እንተ ኾነ በዲሉ እዩ እሞ ሓጢኣተኛ እዩ። ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸም ዝገመትካሉ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዘይብሉ ናብ ካህን የምፅእ። ስለ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ፥ እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ። ሽዑ ኸዓ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለኛ እዩ እሞ፥ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ዝኾነ ሰብ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ንብፃዩ ብምጥፍፋእ ንእግዚኣብሄርውን እንተ በደለ፥ ብፃዩ ዘቐመጠሉ ሕድሪ ወይ ዘትሓዞ እንተ ጠለመ፥ ወይ እንተ ኸተረ ወይ እንተ ዓመፀ፥ ወይ ዝኾነ ዝጠፍአ ረኺቡ እንተሎ ኣሉ እንተበለ፥ ብሓሰት እውን እንተ መሓለ፥ ወይ ብዝኾነ ነገር፥ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ በታ ሓንቲኳ እንተ በደለ፥ በዝ ኸምዙይ ብምብዳሉ ሓጢኣተኛ እንተ ኾነ፥ ነቲ ዝኸተሮ፥ ወይ ነቲ ዝዓመፆ፥ ወይ ነቲ ዝጠለሞ ሕድሪ፥ ወይ ነቲ ጠፊኡ ዝረኸቦ፥ ወይ ነቲ ብዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ። ብምሉኡ ይምለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይወስኸሉ። በታ ኽንዲ በደሉ መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ። ክንዲ በደሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ድማ ኻብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ከም ዝገመትካሉ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ኽንዲ በደሉ ዝኸውን መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ናብ ካህን የምፅእ። እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ እቲ በዳሊ ዝገበሮ ዅሉ በደል ብእኡ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ሕጊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል ዕንፀይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣብኡ ይኹን፤ እቲ ሓዊ መሰውኢውን ኵልሻዕ ይንደድ። እቲ ኻህን ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽን ብሃሪ ዝተኣልመ ስረን ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይልበስ። ነቲ ሓሙዅሽቲ ናይቲ ኣብ መሰውኢ ብሓዊ ዝቃፀል ናይ መስዋእቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊሱ፥ ኣብ ጐድኒ መሰውኢ የፍስሶ። ደሓር ክዳውንቱ የውፅእ፤ ካልእ ኽዳውንቲ ድማ ይከደን፤ ነቲ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኻብቲ ሰፈር ናብቲ ንፁህ ዝኾነ ቦታ የውፅኣዮ። እቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ዅልሻዕ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን። እቲ ኻህን ከዓ ንግሆ ንግሆ ኣብ ልዕሊኡ ዕንፀይቲ ይወስኸሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የንብር፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የቃፅል። እቲ ሓዊ ዅልሻዕ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን። ስርዓት ኣቀራርባ ቝርባን እኽሊ ኸምዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ የቕርብዎ። እቲ ኻህን ካብኡ፥ ካብቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ የልዕል፤ ካብ ዘይቲ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ቝርባን እኽሊ ዘሎ ዅሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ። ቅጫ ኾይኑ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ። ብዘይ መባዅዕቲ ይሰንከት። እዙይ ካብቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ቝርባን ዝተውሃበ ግደኦም እዩ። ከምቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይብልዓዮ። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ግደኦም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝነኽኦውን ቅዱስ ይኸውን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ በታ ኣሮንን ደቁን ዝቕብኡላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ ከምቲ ዅልሻዕ ዘቕርብዎ ቝርባን እኽሊ፥ ሓደ ኺሎ ልሑም ሕሩጭ ይኹን። ፍርቁ ጊሓት፥ ፍርቁ ኸዓ ምሸት፥ ብዘይቲ ለዊስካ ኣብ መቝሎ ሰንክቶ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ቝርባን እኽሊ ምእንቲ ክኸውን፥ ቈራሪስካ ኣቕርቦ። እቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ክንዲ ኣቦኡ ተተኪኡ ዝቕባእ ካህን ድማ የቕርቦ። ብምሉኡ ንእግዚኣብሄር ይቃፀል፤ እዙይ ንዘለኣለም ዝፀንዕ ስርዓት ይኹን። ኵሉ እቲ ኻህን ዘቕርቦ ቝርባን እኽሊ ብምሉኡ ፈፂሙ ይቃፀል፤ ኣይበላዕውን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦ ሕጊ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሕረደላ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኦ ካህን ይብልዓዮ፤ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ፥ ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይበላዕ። ነፍሲ ወከፍ ነቲ ስጋ ዝነኽኦ ቅዱስ ይኸውን። ዝኾነ ልብሲ ደም እንተ ተነፀጎ፥ ነቲ ዅሉ ዝተነፀጎ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ሕፀቦ። እቲ ዝበሰለሉ ቝራዕ ድማ ይሰበር፤ ኣብ ድስቲ ነሃስ እንተ በሰለ ኸዓ ይፈግፈግ፤ ብማይውን ይተሓፀብ። ካብ ስድራ ኻህን ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። ደሙ ንስርየት ሓጢኣት ኣብ መቕደስ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝኣቱ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ ኵሉ መስዋእቲ፥ ብሓዊ ይቃፀል እምበር ኣይበላዕ። ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዙይ እዩ፦ ንሱ ቅዱሰ ቕዱሳን እዩ። ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ይሕረድዎ። እቲ ደሙ ኸዓ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይነፀግ። ኵሉ ስብሑ፥ ሕልሕሉን ቃንጡጡን፥ ክልቲአን ኵላሊት፥ ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን ንመስዋእቲ ይቕረብ። እቲ ኻህን ድማ ነዝ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። ካብ ስድራ ኻህን ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይብልዕዎ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። እቲ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን፥ ሕጉ ሓደ እዩ፤ እቲ ስጋ ብፅሒት ናይቲ ስርየት ሓጢኣት ዝገብር ካህን እዩ። ናይ ዝኾነ ሰብ ዝቃፀል መስዋእቲ እንስሳ፥ ቈርበቱ ተገፊፉ ነቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ካህን ይወሃብ። ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ኾነ ኣብ ቍራዕ ዝበሰለ ወይ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ዅሉ መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ዘቕርቦ ኻህን ይኹን። ኵሉ ዘይቲ ዝተሓወሶ ወይ ንቑፅ መስዋእቲ እኽሊ ግና፥ ንዅሎም ደቂ ኣሮን ማዕረ ይወሃብ፤ ንዅሎምውን ይኸውን። ሰብ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቐርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ድማ ሕጉ እዙይ እዩ፦ ንምስጋና ኢሉ እንተ ኣቕረቦ፥ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ዘይቲ ዝተሓወሶ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫታትን ካብ ልሑም ሕሩጭ ዝተለወሰ ዘይቲ ዝተሓወሶ ቕጫታትን የቕርብ። ነቲ ንምስጋና ኢሉ ዘቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ምስ ዝበዅዐ ሕብስቲ የቕርቦ። ካብ ነፍሲ ወከፍ መስዋእቲ ሕብስቲ፥ ሓደ ሕብስቲ ኣልዒሉ ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እዙይ ንደም እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዝነፅግ ካህን ይኹን። ስጋ ናይቲ ንምስጋና ዘቕርቦ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና፥ በታ ዝተሰውአላ መዓልቲ ይበላዕ፤ ካብኡ ሓደ እኳ ንፅባሒቱ ኣይሕደር። እቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ናይ መብፅዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ኸዓ፥ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፤ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንፅባሒቱ ይበላዕ። ካብቲ ንመስዋእቲ ዝቐረበ እንስሳ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ስጋ ግና ብሓዊ ይቃፀል። ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ስጋ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፥ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኮነን፤ ዝረኸሰ ስለ ዝኾነ፥ ፍንፉን ይኸውን እምበር፥ ነቲ ዘቕረቦ ሰብ ቅቡል ኮይኑ ኣይቝፀረሉን እዩ። እቲ ኻብኡ ዝበልዐ ሰብ ከዓ ሓጢኣቱ ይሽከም። ዝረኸሰ ነገር ዝነኽኦ ስጋ ኣይበላዕ፤ ብሓዊ ደኣ ይቃፀል። ንፁህ ዝኾነ ዅሉ ሰብ ግና ካብቲ ስጋ ይብላዕ። እቲ ረኺሱ እንተሎ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ዝበልዐ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ። ሓደ ሰብ ዝረኸሰ ነገር እንተ ነኽአ፥ ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ፥ ወይ ዝረኸሰ እንስሳ ወይ ዝኾነ ፅዩፍ ርኽሰት እንተ ነኽአሞ፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ከዓ እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ስብሒ ብዕራይ ኮነ ስብሒ በጊዕ ወይ ስብሒ ጤል ኣይትብልዑ። ስብሒ ዝበኸተን ስብሒ ኣራዊት ዝቐተሎ እንስሳኹምን ንዝኾነ ስራሕ ኣውዕልዎ፤ ምብላዕ ግና ኣይትብልዕዎ። ካብ ስብሒ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ እንስሳ ዝበልዐ ሰብ፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ። ኣብ ዅሉ እትነብርዎ ኸዓ ናይ ዒፍ ኮነ ናይ እንስሳ ደም ኣይትብልዑ። ዝኾነ ሰብ ደም እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብ ሰብ፥ ካብቲ ናይ ሰላም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የምፅእ። ነቲ ናባይ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ በእዳዉ የምፅኣዮ። እቲ ሓኸለ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብስ፥ ነቲ ስብሑን ሓኸለኡን የምፅአዮ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እቲ ሓኸለ ግና ብፅሒት ኣሮንን ደቁን እዩ። ካብቲ ናይ ሰላም መስዋእትኹም ብፅሒቱ ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን የማነይቲ እግሪ ሃብዎ። የማነይቲ እግሪ፥ ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደምን ስብሕን ናይቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዘቕርብ ግደ ይኹን። ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ነቲ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ ሓኸለን ናባይ ዝቐርብ እግርን ወሲደ ንኣሮንን ንደቁን ንዘለኣለም ዝነብር ስርዓት ገይረ ሂበዮም ኣለኹ። እዙይ በታ ንእግዚኣብሄር ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ ዝቐረቡላ መዓልቲ፥ ደቂ እስራኤል ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽህብዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ግደ ኣሮንን ደቁን እዩ። በታ ዝተቐብኡላ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል እዝ ብፅሒት እዙይ ክህብዎም ኣዘዘ። እዙይ ከዓ ንውሉድ ወለዶ ዝነብር ስርዓት ዘለኣለም እዩ። እምበኣር ሕጊ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምቕባል ክህነትን፥ ሕጊ መስዋእቲ እኽልን፥ ሕጊ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምስጋናን እዙይ እዩ። እዝ ሕጊ እዙይ፥ በታ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና ኸቕርቡ ዝኣዘዘላ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝኣዘዞ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ “ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ውሰዶም። ኣልባስን መቕብኢ ዘይትን፥ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕን፥ እቶም ክልተ ማጓሉን፥ እቲ ቕጫ ዝሓዘ መሶብን ድማ ተማላእ፤ ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብኡ ኣክቦም” በሎ። ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። ኵሉ እቲ ማሕበር ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተኣከበ። ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እቲ እግዚኣብሄር ክግበር ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም። ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ ብማይ ሓፀቦም። ንኣሮን ድማ ቐሚሽ ኸደኖ፤ ቅናት እውን ኣቐነቶ፤ ካባ ደሪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኤፉድ ገበረሉ፤ በቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ቕናት ኤፉድ ድማ ኣቐነቶሞ፥ ኣብ ልዕሊኡውን የማነ ፀጋም ኣፍ ልቢ ገበረሉ፤ ናብቲ የማነ ፀጋም ኣፍ ልቢ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝግለፀሎም ኡሪምን ቱሚምን ዝበሃሉ ገበረሉ። ኣብ ርእሱ ኸዓ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ድማ ብወገን ቅድሚት፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቂ ዝተሰርሐ ገይፂ፥ ቅዱስ ኣኽሊል ገበረሉ። ሙሴ ድማ መቕብኢ ዘይቲ ወሲዱ ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉን ቀቢኡ ቐደሶ። ካብቲ ዘይቲ ወሲዱ ኸዓ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሸውዓተ ሻዕ ነፀገ፤ ምእንቲ ኽቕድሶውን ንመሰውእን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ ሸሓነ ምስ ናይ ኣጋሮኡን ቀብኦ። ናብ ርእሲ ኣሮን ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይቲ ኣፍሰሰሉ፤ ምእንቲ ኽቕድሶ ኸዓ ቐብኦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፤ ቀማውሽ ኸዲኑ ኸዓ ቕናውቲ ኣቐነቶም፤ መጠምጠምያታት እውን ገበረሎም። ሙሴ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ኣቕረቦ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ኣንበሩ። ሙሴ ድማ፥ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በፃብዑ ቐብኦ እሞ፥ ነቲ መሰውኢ ኣንፅሆ። ነቲ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ። ከስተስርየሉ ድማ ኣንፅሆን ቀደሶን። ንዅሉ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝነበረ ስብሕን ቃንጡጥ ከብድን ክልቲኡ ዅላሊትን ምስ ስብሑን ወሲዱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። ነቲ ዝራብዕ ግና ምስ ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣቃፀሎ። ሙሴ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ማጕላ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ። ሓሪዱ ድማ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ። ነቲ ማጕላ ድማ በብኽፍሉ ቘራረፆ፤ ነቲ ርእስን ነቲ ዝተቘራረፀ ስጋን ነቲ ስብሕን ከዓ ኣቃፀሎ። ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓፀቦ። ንዅሉ ስጋ እቲ ማጕላ ድማ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። ሙሴ ንቕድስና ዝኸውን ካልእ ማጕላ ኣቕረበ። ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ። ሙሴ ድማ ሓሪዱ ኻብ ደሙ ወሲዱ፥ ንኣሮን፥ ኣብ መስቈር የማነይቲ እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸዮ። ንደቂ ኣሮን ድማ ኣቕረቦም። ካብቲ ደም ወሲዱ ኣብ መስቈር የማናይ ኣእዛኖምን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኣእዳዎምን፥ ኣብ ዓባይ ዓባይቶ የማናይ ኣእጋሮምን ለኸዮም። ነቲ ደም ከዓ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ። ነቲ ስብሕን ሕልሕልን ኵሉ እቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ቓንጡጥን፥ ስብሒ ኸብድን፥ ክልቲአን ኵላሊት ምስ ስብሐንን የማነይቲ እግርን ወሰደ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ዘይበዅዐ ቕጫ ዝሓዘ መሶብ ድማ፥ ሓደ ቕጫን ሓደ ብዘይቲ ዝተሰንከተ ሕብስትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮ። ነዝ ዅሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮ። ሙሴ ድማ ኻብ ኣእዳዎም ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ፥ እዙይ ብፅሒት ሙሴ ነበረ። ሙሴ ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁን ነፀገ። ንኣሮንን ንኣልባሱን ንደቁን ነልባሳት ደቁን ከዓ ኸምዙይ ገይሩ ቐደሰ። ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን “ከምቲ እግዚኣብሄር ነቲ ስጋ፥ ‘ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ’ ኢሉ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኴንኩም ኣብስልዎ እሞ፥ በቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝቐርብ መሶብ ዘሎ ሕብስቲ ጌርኩም ኣብኡ ብልዕዎ። ነቲ ኻብ ስጋን ሕብስትን ዝተረፈ ኸዓ ብሓዊ ኣቃፅልዎ። ምቕባል ክህነትኩም ንሸውዓተ መዓልቲ ኽፀንሕ እዩ እሞ፥ እተን ክህነት እትቕበሉለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፅኡ። እዝ ሎሚ ዝተገብረ፥ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ እግዚኣብሄር ግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ እዩ። እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩሞ፥ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣፍ ደገ ተቐሚጥኩም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓልዉ” በሎም። ኣሮንን ደቁን ድማ ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ገበሩ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብሻምነይቲ መዓልቲ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ፀውዖም። ንኣሮን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ጣዕዋን፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን፥ ጐደሎ ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ወሲድካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም። ንደቂ እስራኤል ከዓ፥ ሎሚ እግዚኣብሄር ክግለፀልኩም እዩሞ፦ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤል፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ጣዕዋን ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዘይቲ ዝፈሰሶ መስዋእቲ እኽልን ወሲድኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ በሎም።” እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣምፅኡ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ። ሙሴ ኸዓ “ክብሪ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽግለፀልኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም። ሽዑ ኣሮን ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ጣዕዋ ሓረዶ። ደቁ ድማ ነቲ ደም ኣቕረቡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ። ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ስብሕን ኵላሊትን ቃንጡጥ ከብድን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። ስጋኡን ቈርበቱን ከዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ። ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ድማ ሓረደ። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ። ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን በብኽፍሉ ቘራሪፆም ምስ ርእሱ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። ንውሽጣዊ ኣካላት ከብድን ነእጋርን ሓፂቡ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። ሽዑ ኣሮን ነቲ ህዝቢ መስዋእቲ ኣቕረበ። ነቲ ጤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ሓረዶ። ከምቲ ቐዳማይ ከዓ ምእንቲ ሓጢኣት ሰውኦ። ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ኸምቲ ዝተሓገገ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ። ክንዲ እቲ ጊሓት ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ፥ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕረበ፤ ካብኡ ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ። ነቲ ዝራብዕን ነቲ ማጕላን ድማ ምእንቲ ህዝቢ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓረዶም። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ዙርያኡ ነፀጎ። ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ማጕላ ሕልሕልን ንናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኵላሊትን፥ ስብሒ ኸብድን ወሲዶም፥ ኣብ ልዕሊ ሓኸለታት ገበርዎ፤ ኣሮን ከዓ ነቲ ስብሕታት ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። ኣሮን ድማ ነተን ሓኸለታትን የማነይቲ እግርን፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወዝወዞ። ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቶም ህዝቢ ዘርጊሑ ባረኾም። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ምስ ሰውአ ድማ ወረደ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተዉ። ወፂኦም ከዓ ነቶም ህዝቢ ባረኽዎም። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ተገለፀሎም። ሓዊ ኸዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ፥ ዕልል በሉ፤ ብግንባሮም ተደፊኦም ድማ ሰገዱ። ደቂ ኣሮን፥ ናዳብን ኣብዩድን፥ ፀፅንሃሆም ሓዙ፤ ፍሕሚ ድማ ገበሩሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ዕጣን ገበሩሉ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንሱ ዘይኣዘዞም ካልእ ሓዊ ኣቕረቡ። ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊ ወፂኡ ድማ በልዖም፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ሞቱ። ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ። ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልፃፋንን፥ ደቂ ዑዝኤል፥ ሓወቦኡ ንኣሮን፥ ፀዊዑ “ንዑ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ናብ ወፃኢ ሰፈር ውሰድዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ መፂኦም ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ብኽዳውንቶም ካብቲ ሰፈር ናብ ወፃኢ ፆይሮም ኣውፅእዎም። ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን፥ ንኣልኣዛርን ንኢታምርን “ከይትሞቱ፥ ነዝ ህዝቢ እውን እግዚኣብሄር ከይቝጥዖ፥ ብሓዘን፥ ፀጕሪ ርእስኹም ኣይትላፅዩ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ፤ በዝ እግዚኣብሄር ዘቃፀሎ ምቅፃል ኣሕዋትኩም ድማ፥ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ይብከ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር መቕብኢ ዘይቲ ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፥ ከይትሞቱስ ካብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፅኡ” በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸዓ ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክትኣትዉ እንተለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ ንስኻን ደቅኻን ወይንን ዘስክር መስተን ኣይትስተዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ። ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፥ ኣብ መንጎ ንፁህን ርኹስን ክትፈልዩ ኢኹም፤ እግዚኣብሄር ብቓል ሙሴ ዝነገሮም ኵሉ ስርዓት ንደቂ እስራኤል ክትምህሩ ኢኹም።” ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ “ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ነቲ ዝተረፈ መስዋእቲ እኽሊ ወሲድኩም ቅጫ ግበርዎ፤ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዄንኩም ብልዕዎ። እዙይ ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ግቡእኻን ግቡእ ደቕኻን እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ እሞ። ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ ሓኸለን እግርን ግቡእኻን ግቡእ ደቅኻን ኮይኑ ተውሂቡ እዩ እሞ፥ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንፁህ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ። ምስ እቲ ብሓዊ ዝስዋእ ስብሕታት ከዓ ነቲ ዝቐርብ እግርን ዝውዝወዝ ሓኸለን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብ የምፅእዎ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ዝነብር ግቡእ ይኹን” በሎም። ሙሴ ድማ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ጤል ደለዮ፤ ተቓፂሉ ምስ ረኸቦ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፥ ኣልኣዛርን ኢታምርን ተቘጢዑ፥ “ስለ ምንታይ ኢኹም ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ዘይበላዕኹምዎ? ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ፤ በደል ህዝቢ እስራኤል ፆይርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቶም ክተስተስርዩሎም ኣምላኽ ሂቡኩም እዩ። ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተኹምዎን፤ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፥ ኣብ መቕደስ ኴንኩም ክትበልዕዎ ምተገብአኩም ነይሩ” በሎም። ኣሮን ድማ ንሙሴ “እንሆ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን ዝቃፀል መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፤ ንኣይ ከዓ ኸምዙይ ዝበለ በፅሐኒ፤ ሎሚ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐረበ መስዋእቲ በሊዐ እንተ ዝኸውንከ ንእግዚኣብሄር ደስዶ መበሎ ነይሩ?” ኢሉ ንሙሴ ተዛረቦ። ሙሴ እዙይ ሰሚዑ ባህ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ካብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፥ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፦ ካብ እንስሳ፥ ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ድማ ዝተመቐለ፥ ኵሉ ዘመዅስዕ ዘበለ ብልዑ። ዘመዅስዕ ኾይኑ ሸዀናኡ ዘይተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ስንጡቕ ኮይኑ፥ ዘየመዅስዕ እንስሳ ግና ኣይትብልዑ፤ ግመል ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ጊሐውን ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ማንቲለ ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ሓሰማ ሸዀናኣ ስንጡቕ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። እዚኣተን ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፥ ስጋአን ኣይትብልዑ፤ ገምበንውን ኣይትንክኡ። ካብቶም ኣብ ማይ፥ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባታትን ዝነብሩ፥ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኵሎም ብልዑ። ግና ኻብ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝወሳወስን፥ ኣብ ማይ ካብ ዝነብር ህይወት ዘለዎን፥ ኵሉ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን። ፈንፍንዎም፤ ስጋኦም ኣይትብልዑ፤ ንገምቢኦምውን ኣይትንክእዎ። ኵሉ ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን። ካብ ኣዕዋፍ ድማ ፍንፉናት ዝኾና ዘይብልዓ፥ እትፍንፍንወን እዚኣተን እየን፦ ንስሪ፥ ገድገደ፥ ወሓጥ ዓሳ፥ ሽላ፥ ሊሎ በብዓይነቱ፥ ኵሉ ዃዅ በብዓይነቱ፥ ሰገን፥ ጕጓ፥ ሮብራ፥ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ። ንእሽተይ ጕጓ፥ ሓሓት፥ ዓባይ ጕጓ፥ ቀራን ጕጓ፥ ቀያሕ ሓሓት፥ ኣሞራ፥ ራዛ፥ ሰብ ፀራድ በብዓይነቱ፥ ተምብሃረጆ፥ ምንኪዕ። በራሪ ዘይኮነ በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ ኵሉ ለመም ዝብል ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ። ግና ኻብ ዝበርር ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዅሉ ለመም ዝብል ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነጥረለን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ። ካብኣቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፦ ፋንጣ በብዓይነቱን ኣንበጣ በብዓይነቱን ኵብኩብታ በብዓይነቱን ጎደባ በብዓይነቱን። ኵሉ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዝንቀሳቐስ፥ ኵሉ ኻልእ ነፋሪ ለመም ዝብል ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። እዚኣቶም እዮም ዘርክሱኹም፤ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ነፍሲ ወከፍ ገምቢኦም ዘልዓለ ኸዓ፥ ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን። ኵሉ እንስሳ ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈፂሙ ዘይተሰንጠቐን ዘየመዅስዕን፥ ንኣኻትኩም ዝረኸሰ ይኹን፤ ኵሉ ዝነኽኦውን ዝረኸሰ ይኸውን። በርባዕተ መሓውር ካብ ዝኸዱ ዅሎም እንስሳ፥ ብግናዕ ኢዶም ዝኸዱውን፥ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኵሉ ገምቦም ዝነኽአውን ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ኵሉ ገምቦም ዘልዓለ ድማ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት ይኹኑ፤ ፍሒራ፥ ኣንጭዋ፥ ሓማት-ተመን፥ በብዓይነቱ፥ ጠበቕ፥ ጭንቝራዕ፥ ጐብየ፥ ምጭልቚት፥ ነፋሒቶ። ካብ ኵሉ ለመም ዝብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት ይኹኑ። ምስ ሞቱ፥ ዝነኽኦም ኵሉ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ካብዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ፥ ዝኾነ ዝስርሖ ኣቕሓ፥ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኾነ፥ ወይ ክዳን፥ ወይ ጕኖ፥ ወይ ከረጢት፥ ረኺሱ እዩ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ድማ ይነፅህ። ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ መሬት፥ ካብዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዅሉ ዝረኸሰ ይኹን፤ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ። ኣብ ዝኾነ ዝብላዕ ኻብቲ ዝረኸሰ ኣቕሓ መሬት ማይ እንተ ፈሰሶ፥ እቲ ምግቢ ርኹስ እዩ። በዝ ከምዙይ ዝበለ ኣቕሓ ዝስተ ዅሉ መስተ እውን ርኹስ እዩ። ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ዅሉ ነገር ዝረኸሰ እዩ፤ ኣብ እቶን ወይ ኣብ ምድጃ እንተ ወዲቑ ድማ እቲ እቶን ኮነ እቲ ምድጃ ይፍረስ። ነቲ ገምቢ ዝነኽአ ዅሉ ይረክስ፤ ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዝዓቘሮ ሓፅቢ ግና ንፁህ እዩ። ካብ ገምቦም ሓደ ኣብ ዝዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸዓ፥ ንሱ ንፁህ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ፈሰሶ እሞ ኻብቲ ገምቦም እንተ ወደቖ ግና ንኣኻትኩም ዝረኸሰ እዩ። ካብቶም ንመብልዕ ዝኾኑኹም እንስሳ እንተ በኸተ፥ እቲ ነቲ ገምቡ ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ካብቲ ገምቡ ዝበልዐ ኸዓ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን። ነቲ ገምቡ ዘልዓሎ እውን ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን። ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ከዓ ፍንፉን እዩ፤ ስለዙይ ኣይበላዕ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ ለመምታ፥ ብኸብዱ ዝኸይድ ኮነ በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ፥ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዅሉ፥ ፍንፉን እዩ እሞ፥ ኣይትብልዕዎ። በቶም ለመም ዝብሉ ዅሎም ንሰብነትኩም ኣይተርክሱ፤ ብኣኣቶም ከይትረኽሱ ርእስኹም ኣይተርክሱ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዝወሳወስ ኵሉ ለመም ዝብል ሰብነትኩም ኣይተርክሱ። ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኹኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ። ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ኣብ መንጎ ዝብላዕን ዘይብላዕን ፍጡር ፈሊኹም ምእንቲ ኽትፈልጡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዝወሳወስ ህይወት ዘለዎ ዅሉ እንስሳን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ እንስሳን፥ ዘሎ ሕጊ እዙይ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፥ ወዲ ኸዓ እንተ ወለደት፥ ከምቲ ናይ ወርሒ ፅገኣ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰት ትኸውን። ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ህፃን ስጋ ቝልፈቱ ይገረዝ። ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትፅናሕ። መዓልቲታት ምንፅሃ ኽሳዕ ዝውዳእ ቅዱስ ነገር ኣይትንካእ፤ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ። ጓል እንተ ወለደት ግና፥ ከምቲ ብእዋን ፅገኣ ንኽልተ ሰሙን ርኽስቲ ትኹን፤ ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ኸዓ ስሳን ሽዱሽተን መዓልቲ ትፅናሕ። ወዲ ወይ ጓል ወሊዳ መዓልቲታት ምንፅሃ ምስ ኣኸለ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ርግቢ ወይ ባሪቶ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብቲ ኻህን ተምፅእ። ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ሓጢኣታ ድማ የስተስርየላ፤ ንሳ እውን ካብ ምፍሳስ ደማ ኽትነፅህ እያ። እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት ሰበይቲ እትነፅሀሉ ስርዓት እዙይ እዩ። ንጡበት በጊዕ ዝኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ግና፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓንቲ ኸዓ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ተምፅእ። እቲ ኻህን ድማ ሓጢኣታ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ኽትነፅህ እያ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ ሰብ ኣብ ቈርበቱ ሕበጥ ወይ ሽሕር ወይ ዙዕታ እንተ ወፆ፥ ሕማም ለምፂ ከዓ እንተ ኾነ፥ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምፅእዎ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ቝስሊ ይመርምሮ፤ ኣብቲ ቝስሊ ዘላ ፀጕሪ ፃዕድያ እንተ ፀንሐት፥ እቲ ቝስሊ ኸዓ ኻብ ቈርበቱ ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ሕማም ለምፂ እዩ። እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገር። እቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ዙዕታ እንተ ፃዕደወ፥ ካብቲ ቘርበቱ ኸዓ ዓሚቑ እንተ ዘይተርኣየ፥ ፀጕሩ እውን እንተ ዘይፃዕደወ፥ እቲ ኻህን ነቲ ቝሱል ሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ድማ እቲ ቝስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተ ፀንሐ፥ ኣብቲ ቘርበቱውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ እቲ ኻህን መሊሱ ንሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን መሊሱ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ቝስሊ እንተ ፋሕሸወ፥ ኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ እቲ ቝስሊ ሽሕር እዩ እሞ፥ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ እቲ ቝሱል ከዓ ኽዳውንቱ ሓፂቡ ይንፃህ። ግና እቲ ኻህን “ንፁህ እዩ” ኢሉ ምስ ነገረሉ እቲ ሽሕር ኣብ ቈርበቱ እንተ ሰፍሐ፥ ንኻልኣይ ጊዜ ኣብ ካህን ይመርመር። እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሽሕር ኣብቲ ቘርበት ሰፊሑ እንተ ፀንሐ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ፤ ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ሕማም ለምፂ ቘርበት ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ናብ ካህን የምፅእዎ። እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ቈርበቱ ፃዕዳ ሕበጥ እንተ ሃልዩዎ፥ ነቲ ፀጕሪ ኸዓ እንተ ኣፃዕደዎ፥ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ መሲሉ እንተ ፀንሐ፥ ንሱ ነባር ሕማም ለምፂ እዩ፤ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ቀደሙውን ረኺሱ እዩሞ ኣይዕፀዎ። እቲ ሕማም ለምፂ እናሰፍሐ እንተ ኸደ፥ ነቲ ቝሱል እቲ ኻህን ክሪኦ ኽሳዕ ዝኽእል ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንኹሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ፥ ሽዑ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ ንብዘሎ ሰብነቱ ሕማም ቈርበት እንተ ኸደኖ፥ ሽዑ እቲ ቝሱል ከም ዝነፅሀ እቲ ኻህን ይንገር። ኵሉ ሰብነቱ ፃዕድዩ እዩ እሞ ንሱ ንፁህ እዩ። በታ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ መሲሉ ዝተርኣየላ መዓልቲ ግና ረኺሱ እዩ። እቲ ኻህን ቈርበቱ ቐይሕ ስጋ ምምሳሉ ምስ ረአየ ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገር። እቲ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ እንተ መሲሉ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ፤ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ። እቲ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ ዝመስል ዝነበረ ናብ ፃዕዳ እንተ ተለወጠ ግና፥ ናብ ካህን ይምፃእ። እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ቝስሉ እንተ ፃዕደወ፥ ሽዑ እቲ ኻህን፥ እቲ ቝሱል ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ንሱ ንፁህ እዩ። ኣብ ቈርበቱ ዝሓወየ ቝስሊ ዘለዎ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ኣብቲ በሰላ ኸዓ ፃዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቅይሕ ዝበለ ፃዕዳ ዙዕታ እንተ ወፆ፥ ሽዑ ናብ ካህን ይቕረብ። እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ ኻብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ፀጕሩ ኸዓ ፃዕድዩ እንተ ፀንሐ፥ ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፤ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወፀ ሕማም ለምፂ እዩ። እቲ ኻህን እንተ መርመሮ እሞ፥ እንሆ ኸዓ፥ ኣብኡ ፃዕዳ ፀጕሪ እንተ ዘይሃልያ እቲ ቘርበት እውን እንተ ዘይጐድጒዱ፥ ከምኡ ድማ እንተ ፋሕሸወ፥ ሽዑ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ። ኣብቲ ቘርበት እንተ ሰፍሐ ድማ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ። ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተይሰፍሐ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖይሙ ግና፥ ንሱ በሰላ ቝስሊ እዩ፤ ንፁህ ምዃኑ ኸዓ እቲ ኻህን ይንገር። ሓደ ሰብ ኣብ ቈርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተ ሃልይዎ እሞ ኣብቲ ቘርበቱ ዝተልሓሰ ንዳድ ሓዊ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ወይ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ወፆ፥ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት ዘሎ ፀጕሪ እንተ ፃዕደወ፥ ካብቲ ቘርበት ከዓ ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወፀ ሕማም ለምፂ እዩ። ዝረኸሰ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር፤ እዙይ ሕማም ለምፂ እዩ። ግና እቲ ኻህን እንተ መርመሮ፥ ኣብቲ ብሩህ ዙዕታ ድማ ፃዕዳ ፀጕሪ እንተ ዘየለ፥ እቲ ቘርበት ከዓ እንተ ዘይጐድጒዱ፥ ከምኡ እውን እንተ ፋሕሸወ፥ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ይመርምሮ፤ ኣብ ቈርበቱ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥ ሕማም ለምፂ እዩ እሞ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ብሩህ ዙዕታ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖይሙ፥ ኣብ ቈርበት እውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ ወይ ድማ እንተ ፋሕሽዩ ግና፥ እዙይ ብሓዊ ነዲዱ ዝሓበጠ እዩ። በሰላ ሓዊ ስለ ዝኾነ ኸዓ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር። ንሓደ ሰብኣይ ወይ ንሓንቲ ሰበይቲ፥ ኣብ ርእሱ ወይ ኣብ መንከሱ ቝስሊ እንተ ወፆ፥ እቲ ኻህን ነቲ ቝስሊ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ቀጢንን ብጫን ፀጕሪ ድማ እንተ ሃልይዎ፥ ንሱ ዕንፍሩር እዩ፤ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ መንከስ ዝወፅእ ተላጋቢ ሕማም እዩ። ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ኻህን ነዝ ቝስሊ እዙይ ምስ መርመሮ እሞ ኻብቲ ቘርበት ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥ ፀሊም ፀጕሪ ድማ እንተ ዘይብሉ፥ እቲ ኻህን ነቲ ቝስሊ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቝስሊ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይሰፊሑ፥ ብጫ ፀጕሪ እውን እንተ ዘይብሉ፥ እቲ ዕንፍሩር ከዓ ኻብቲ ቘርበት ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ሰብ ይላፀ፤ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ሰብነቱ ግና ኣይላፅዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይመርምሮ፤ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ዘይሰፊሑ፥ ካብቲ ቘርበት እውን ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ እቲ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ እሞ ይንፃህ። ግና እቲ ኻህን “ነፂሁ እዩ” ኢሉ ምስ ነገረሉ፥ እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቘርበት እንተ ሰፊሑ፥ እቲ ኻህን ይመርምሮ። እንሆ ድማ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ሰፊሑ፥ እቲ ኻህን ብጫ ፀጕሪ እንተ ሃልዩዎ ኢሉ ኣይድለ፤ ንሱ ቐደሙውን ዝረኸሰ እዩ እሞ። እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቖይሙ፥ ኣብኡ እውን ፀሊም ፀጕሪ በቝሉ እንተ ረአየ ግና፥ ሓውዩ እዩ፤ ንሱ ንፁህ እዩ፤ እቲ ኻህን ድማ ንፁህ ምዃኑ ይንገር። ንሓደ ሰብኣይ ወይ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቈርበቱ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ወፆ፥ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ፃዕዳ እንተ ኾይኑ፥ እዙይ ኣብ ቈርበት ዝወፀ ተውሳስ እዩ እሞ፥ ንሱ ንፁህ እዩ። ሰብ ፀጕሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፥ ናይ ምንኳዕ እዩ እሞ፥ ንሱ ንፁህ እዩ። ርእሱ ብወገን ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፥ ምብራሕ እዩ እሞ፥ ንሱ ንፁህ እዩ። ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ቝስሊ እንተ ወፆ፥ ንሱ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወፀ ሕማም ለምፂ እዩ። እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቍስሊ፥ ከምቲ ናይ ሕማም ለምፂ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ኾይኑ እንተ ተርእይዎ፥ እቲ ሰብ ሕሙም ስለ ዝኾነ ረኺሱ እዩ። ኣብ ርእሱ ቝስሊ ስለ ዘለዎ ኸዓ እቲ ኻህን ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገረሉ። እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ ሰብ ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፤ ርእሱ ኸዓ ይቀላዕ፤ ከንፈሩ እውን ይኽደን፤ “ዝረኸስኩ እየ፤ ዝረኸስኩ እየ” እናበለ ኸዓ ዓው ኢሉ ይናገር። ሕማም ለምፂ ክሳዕ ዘለዎ ዝረኸሰ ይኹን፤ ረኺሱ እዩ እሞ ንበይኑ ይቀመጥ፤ መንበሪኡ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ይኹን። ኣብ ክዳን ድማ፥ ኣብ ክዳን ፀጕሪ ወይ ኣብ ክዳን ሃሪ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ ሃሪ ወይ ናይ ፀጕሪ፥ ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ዝኾነ ኻብ ቈርበት ዝተሰርሐ ነገር፥ ሕማም ለምፂ እንተ ሃልይዎ፥ እቲ ሕማም ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት፥ ቍፅል ወይ ቅይሕ እንተበለ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ እሞ፥ ኣብ ካህን ይረአ። እቲ ኻህን ከዓ ነቲ ሕማም ይመርምሮ፤ ነቲ ሕማም ዘለዎ ሰብ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ሕማም ይመርምሮ። እቲ ሕማም ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቈርበት፥ ንዝኾነ ስራሕ ካብ ቈርበት ኣብ ዝተሰርሐ ነገር እንተ ሰፍሐ፥ በላዒ ሕማም ለምፂ እዩ እሞ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ። እቲ ሕማም ዘለዎ ዝኾነ ኽዳን፥ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ፥ ናይ ፀጕሪ እንተ ኾነ ወይ ናይ ሃሪ ወይ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት በላዒ ሕማም እዩ እሞ ብሓዊ ይቃፀል። ግና እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ እቲ ሕማም ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት ሰፊሑ እንተ ዘይተርእዩ፥ ነቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ክሓፅብዎ እቲ ኻህን ይኣዝዝ፤ መሊሱ ድማ ንሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ። እቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ምስተሓፅበ ድማ፥ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ሕብሩ እንተ ዘይለዊጡ፥ እንተ ዘይሰፍሐ እኳ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ። እቲ ሕማም ብውሽጢ ይኹን ብደገ እንተ ሃልዩ እቲ ነገር ብሓዊ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዝሓመመ ነገር ድሕሪ ምሕፃቡ እንተ ፋሕሺዩ፥ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት፥ ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ። ኣብቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት ገና እንተ ተርእዩ፥ ይሰፍሕ እዩ ዘሎ እሞ ነቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ብሓዊ የቃፅሎ። እቲ ንስኻ እትሓፅቦ ኽዳን፥ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ወይ ዝኾነ ቘርበት፥ ሕማሙ እንተ ኸደሉ፥ ክልተሻዕ ይተሓፀብ፤ ንፁህ ድማ ይኸውን። ኣብ ክዳን ፀጕሪ ወይ ኣብ ክዳን ሃሪ ወይ ኣብ ቅጥኒ፥ ወይ ኣብ ፋእሚ፥ ወይ ኣብ ዝኾነ ብቘርበት ዝተሰርሐ ኣቕሓ፥ ዘሎ ሕማም ለምፂ፥ ንፁህ ምዃኑ ወይ ዝረኸሰ ምዃኑ ንምንጋር ዘኽእለካ ሕጊ እዙይ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ብመዓልቲ ምንፃህ እቲ ዝሓመመ ሰብ ዝፍፅሞ ሕጊ እዙይ እዩ፦ ናብ ካህን የምፅእዎ። እቲ ኻህን ከዓ ናብ ወፃኢ እቲ ሰፈር ከይዱ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ሕሙም ካብ ሕማም ለምፂ ሓውዩ እንተ ፀንሐ፥ ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዝነፅህ ሰብ፥ ብህይወተን ዘለዋ ኽልተ ንፁሃት ኣዕዋፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከምፅኡ ይኣዝዝ። ከምኡ ኸዓ እቲ ኻህን ካብተን ኣዕዋፍ ሓዲአን ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ገይሮም ክሓርድዋ ይኣዝዝ። ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ነቲ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ ዝተሓርደት ዒፍ የጥልቆ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ሕማም ለምፂ ዝነፅህ ሰብ ከዓ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ እሞ፥ ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ። እቲ ዝነፅሀ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ኵሉ ፀጕሩ ድማ ይላፀ፤ ብማይ እውን ይተሓፀብ፤ ሽዑ ይነፅህ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ግና ኣብ ወፃኢ ድንኳን ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ዅሉ ፀጕሩ ይላፀ፤ ርእሱን ጭሕሙን ከበሮ ዓይኑን ኵሉ ፀጕሩን ይላፀ፤ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ሽዑ ንፁህ ይኸውን። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ጐደሎ ዘይብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ በጊዕን፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ። እቲ ዘንፅህ ካህን ድማ ነቲ ዝነፅህ ሰብን ነቲ ንመስዋእቲ ዘምፅኦን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦም። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ምስቲ ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይቲ ወሲዱ ኽንዲ በደል ይሰውኣዮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ኸዓ የወፍዮ። እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ነቲ ኻህን ከም ዝኾነ፥ እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ከዓ ኸምኡ እዩ እሞ፥ እቲ ጡበት በጊዕ ኣብቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውንን ዝሕረዱላ ቦታ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ። እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ይውሰድ፤ ነቲ ዝነፅህ ሰብ ከዓ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ። ካብቲ ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይቲ ወሲዱ ድማ ኣብ ግናዕ ፀጋመይቲ ኢዱ የፍስሶ። የማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘፍሰሶ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ኻብቲ ዘይቲ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንፀግ። ኣብ ልዕሊ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ዝተለኽዮ ድማ፥ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዝነፅህ ሰብ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ። ነቲ ኣብ ግናዕ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ኸዓ፥ ናብ ርእሲ እቲ ዝነፅህ ሰብ ይግበሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ የስተስርየሉ። ሽዑ እቲ ኻህን ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ የቕርብ እሞ፥ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዝነፅህ የስተስርየሉ። ብድሕሪኡ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሕረድ። እቲ ኻህን ዝቃፀል መስዋእትን ናይ እኽሊ ቝርባንን ብሓደ ገይሩ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርቦ። ነቲ ዝነፅህ ሰብ የስተስርየሉ፤ ንሱውን ንፁህ ይኸውን። እቲ ዝነፅህ ሰብ ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኢዱውን ገንዘብ እንተ ዘይብሉ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽረክብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዘ ዝውፍዮ፥ ክንዲ በደል ዝስዋእ ሓደ ጡበት በጊዕ የምፅእ። ንቝርባን እኽሊ ዝኸውን ከዓ ሓደ ኺሎ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ። ከምኡውን ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ኸም ዓቕሙ የምፅእ። በታ ምንፃሁ ዝፍፀመላ ሻምነይቲ መዓልቲ ነዝ ነገር እዙይ ናብ ካህን፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን ይውሰድ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የወፍዮ። ነቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ከዓ ይሕረዶ። እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ወሲዱ፥ ነቲ ዝነፅህ ሰብ የማነይቲ መስቘር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይቲ ኣብ ግናዕ ፀጋመይቲ ኢዱ የፍስስ። እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ብየማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ። ኣብ ልዕሊ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ዝተቐብአ ቦታ፥ እቲ ኻህን ነቲ ዝነፅህ ሰብ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ። እቲ ኻህን ነቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸስተስርየሉ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነፅህ ሰብ የፍስሶ። ከም ዓቕሙ ኸዓ ሓንቲ ኻብ ባሪቶ፥ ወይ ሓንቲ ኻብ ርግቢ ይሰውእ። ምስቲ መስዋእቲ እኽሊ፥ ከም ዓቕሙ፥ ሓንቲ ኽንዲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ይሰውእ። እቲ ኻህን ከዓ ነቲ ዝነፅህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ። ብዛዕባ እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ እሞ ንምንፃሁ ዘድሊ ስሩዕ መስዋእቲ ኸቕርብ ዓቕሚ ንዘይብሉ ሰብ፥ ሕጉ እዙይ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም እሞ ኣብታ ዝወረስኩምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ገዛ ሕማም ለምፂ እንተ ሰደድኩ፥ ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ናብቲ ኻህን መፂኡ “ኣብ ገዛይ ከም ሕማም ለምፂ ዝመስል ሪአ” ኢሉ ይንገሮ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ምልክት ሕማም ክርኢ ምስ መፀ፥ ገና ናብታ ገዛ እንተይኣተወ፥ ኣብ ገዛ ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ ምእንቲ ኸይረክስ፥ ነታ ገዛ ጥራሓ ኽገብርዋ ይኣዝዝ። ድሕሪዙይ ነታ ገዛ ኽምርምራ ይእቶ። ነቲ ምልክት ሕማም ድማ ይመርምሮ። እንሆ ኸዓ፥ እቲ ምልክት ሕማም ኣብ መንደቕ እታ ገዛ ቝፅል ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጕድጕድ ኢሉን፥ ካብቲ መንደቕ ዓሚቑን እንተ ተርኣየ፥ ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ገዛ ናብ ኣፍ ደገ ይውፃእ፤ ነታ ገዛ ኸዓ ንሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዋ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ድማ ይመርምራ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሕማም ኣብ መንደቕ እታ ገዛ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥ እቲ ኻህን ምልክት ሕማም ለምፂ ዘለዎም ኣእማን ኣውፂኦም ናብ ወፃኢ ኸተማ፥ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ኽድርብይዎም ይኣዝዝ። እታ ገዛ ድማ ውሽጣ ብምልእታ ትተሓኸኽ፤ እቲ ሕካኽ መሬት ከዓ ናብ ወፃኢ ኸተማ፥ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ይጐሓፍ። ክንዲ እቲ ዘውፅእዎ ኣእማን ድማ ኻልእ ኣእማን ወሲዶም ይተክእዎ። ካልእ መሬት ወሲዶም ከዓ ነታ ገዛ ይለቕልቕዋ። ነቲ ኣእማን ምስ ኣውፅእዎ፥ እታ ገዛ ድማ ምስ ተሓኸኸትን ምስ ተለቕለቐትን፥ እቲ ምልክት ሕማም መሊሱ እንተ ተርእዩ፥ እቲ ኻህን ኣትዩ ይመርምራ። እንሆ ኸዓ፥ እቲ ሕማም ኣብታ ገዛ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥ ኣብታ ገዛ ዝባላዕ ለምፂ እዩ እሞ፥ እታ ገዛ ርኽስቲ እያ። ነታ ገዛ ድማ እምናን ዕንፀይታን፥ ኵሉ ሓመዳን ኣፍሪሶም፥ ናብ ወፃኢ ኸተማ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ይጕሓፍዎ። በተን እታ ገዛ እትዕፀወለን ኵለን መዓልቲታት ዝኣተዋ ሰብ ድማ፥ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ኣብታ ገዛ ዝደቀሰ ወይ ዝበልዐ ኸዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ። እቲ ኻህን ክምርምር እንተ ኣተወ፥ እንሆ ኸዓ፥ እታ ገዛ ምስ ተለቕለቐት፥ እቲ ሕማም ኣብታ ገዛ ኸም ብሓድሽ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ሕማም ሓውዩ እዩ እሞ፥ እታ ገዛ ንፅህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር። እታ ገዛ እትነፅሀሉ ድማ ኽልተ ዒፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ፤ ነታ ሓንቲ ዒፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት፥ ገይሩ ይሕረዳ። ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ስምዕዛን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ወሲዱ፥ ኣብ ደም እታ ዝተሓርደት ዒፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ገዛ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገላ። ነታ ገዛ እውን ብደም እታ ዒፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ብዕንፀይቲ ፅሕድን ብስምዕዛን ብውፁእ ቀይሕ ፈትልን ገይሩ የንፅሃያ። ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ናብ ወፃኢ ኸተማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ። ነታ ገዛ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ንፅህቲ ትኸውን። ንዅሉ ዓይነት ሕማም ለምፅን ንዕንፍሩርን፥ ኣብ ክዳን ኮነ ኣብ ገዛ ንዝወፅእ ሕማም ለምፅን፥ ንሕበጥን ንሽሕርን ንፃዕዳ ብሩህ ብሮት፥ ዝምልከት ሕጊ እዙይ እዩ። ዝረኽሰላ መዓልትን ዝነፅሀላ መዓልትን ዘፍልጥ ሕጊ ሕማም ለምፂ እዙይ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ሓደ ሰብ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር እንተ ፈሰሶ ረኺሱ እዩ። እቲ ፈሳሲ ነገር ይፍሰስ ኣይፍሰስ ኣብ ሰብነቱ ኽሳዕ ዘሎ እቲ ሰብ እቱይ ረኺሱ እዩ። እቲ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብ ዝደቀሰሉ ዅሉ መደቀሲ ረኺሱ እዩ፤ ኵሉ ዝተቐመጠሉውን ርኹስ እዩ። ኵሉ ንመደቀሲኡ ዝነኽአ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ እዩ። ንሱ ኾፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዝብል ሰብ እውን፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። ነቲ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ ሰብ ዝነኽአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። እቲ ፈሳሲ ዝፈሰሶ ሰብ፥ ንሓደ ንፁህ ሰብ እንትፍ እንተበለሉ ኸዓ፥ እቲ እንትፍ ዝተብሃለሉ ሰብ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። ንሱ ዝተቐመጦ ዝኾነ ኾረቻ ኸዓ ዝረኸሰ ይኸውን። ኣብ ትሕቲ ኮፍ ዝበለሉ ንዝነበረ ዅሉ ነገር ዝነኽአውን ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን፤ ነዙይ ዘልዓለ ኸዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። እቲ ሰብኣይ ኢዱ እንተይተሓፅበ ዝነኽኦ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። ንሱ ዝነኽኦ ሻኽላ ይሰበር፤ ኵሉ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኸዓ ብማይ ይተሓፀብ። እቲ ዝፈስሶ ዝነበረ ምስ ሓደጎ ድማ እቲ ሰብኣይ ሸውዓተ መዓልቲ ይፀበ፤ ክዳውንቱ ኸዓ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓፀብ፤ ንፁህውን ይኸውን። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ይውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይምፃእ፤ ነቲ ኻህን ከዓ ይሃቦ። እቲ ኻህን ድማ፥ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ስለ እቲ ዝፈሰሶ ነገር ከዓ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ። ሰብኣይ፥ ዘርኢ እንተ ፈሰሶ ዅሉ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። እቲ ዘርኢ ዝነኽኦ ኽዳውንትን ማእስን ኵሉ ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ዘርኢ ኸዓ እንተ ፈሰሶ፥ ክልቲኦም ብማይ ይተሓፀቡ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሱ ይኾኑ። ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ፥ ደም ካብ ሰብነታ እንተ ፈሰሰ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ርኽስቲ እያ፤ ዝነኽኣ ዅሉ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ ዝደቀሰትሉ ዅሉ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ኮፍ ዝበለቶውን ዝረኸሰ ይኸውን። ኵሉ መደቀሲኣ ዝነክአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዅሉ ዝነኽአ ሰብ ድማ፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ዝነበረት ኣቕሓ ዝነክአ ሰብ፥ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ደም ፅገኣ እንተ ነኽኦ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ኵሉ ንሱ ዝድቅሰሉ ኸዓ ዝረኸሰ ይኸውን። ሰበይቲ፥ በቲ ጊዜ ፅገኣ ዘይኮነ፥ ነዊሕ መዓልቲ ደም እንተ ፈሰሳ፥ ወይ ሕልፊ ኻብቲ ጊዜ ፅገኣ እንተ ፈሰሳ፥ ምፍሳስ ወርሓዊ ፅገኣ ኽሳዕ ዘሎ፥ ከምቲ ብመዓልቲታት ፅገኣ ትኹን፤ ርኽስቲ እያ። እቲ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ ዘሎ፥ ኵሉ መዓልቲታት ዝኾነ እትድቅሰሉ ዅሉ መደቀሲ ኸዓ ኸምቲ ብእዋን ፅገኣ እትድቅሰሉ መደቀሲ ዝረኸሰ ይኸውን። ኮፍ እትብሎ ዅሉውን ከምቲ ርኽሰት ፅገኣ ዝረኸሰ ይኸውን። ኵሉ ነዙይ ዝነኽኦ ኸዓ ርኹስ እዩ፤ ክዳውንቱ ድማ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ዝረኸሰ ይኸውን። ካብ ምፍሳስ ደማ እንተ ፀርያ ግና ንሸውዓተ መዓልቲ ትፅናሕ፤ ድሕሪኡ ንፅህቲ ትኸውን። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ትውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ተምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ርኽሰታ ምእንቲ ኽትነፅህ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየላ። ነታ ኣብ ማእኸሎም ዘላ ማሕደረይ ብምርካሶም ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ዘርክሶም ነገር ከምዙይ ጌርኩም ፍለይዎም። ብዛዕባ እቲ ኻብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብን፥ ናይቲ ዘርኡ ዝፈሰሶ እሞ፥ ብእኡ ዝረኸሰን፥ ብዛዕባ እታ ወርሓዊ ፅገ ዝኾነት ሰበይትን፥ ብዛዕባ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ደቂሱ ዘርኢ እንተ ፈሰሶን፥ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዝድቅስ ሰብኣይን ዝተሰርዐ ሕጊ እዙይ እዩ። ድሕሪ ሞት እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፥ ክልተ ደቂ ኣሮን፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ኣነ ብደመና ኣብ ልዕሊ መኽደን መስተስረዪ ክረአ እየ እሞ፥ ከይመውትስ ንሓውካ ኣሮን ኣብ ውሽጢ መጋረጃ፥ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ፥ መኽደን መስተስረዪ፥ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸይኣቱ ንገሮ። ኣሮን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ሓደ ማጕላ ሒዙ ይእቶ። እቲ ናይ ሃሪ ቅዱስ ቀሚሽ ይልበስ፤ ናይ ሃሪ ስረ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ይዕጠቕ፤ ናይ ሃሪ ቕናት ድማ ይተዓጠቕ፤ ናይ ሃሪ መጠምጠምያ እውን ኣብ ርእሱ ይጠምጥም። እዙይ ቅዱስ ኣልባስ እዩ እሞ ሰብነቱ ብማይ ተሓፂቡ ይልበሶ። ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኡ ኽልተ ዲበላ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን እውን ሓደ ማጕላ ይውሰድ። ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ንባዕሉን ንስድራኡን ድማ የስተስሪ። ነቶም ክልተ ዲበላታት ወሲዱውን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብሎም። ኣሮን ድማ ሓደ ዕፃ ንእግዚኣብሄር፥ ሓደ ዕፃ ኸዓ ንዝልቀቕ ክኸውን ነቶም ክልተ ዲበላታት ዕፃ የውድቐሎም። ነቲ ብዕፃ ንእግዚኣብሄር ዝበፅሐ ጤል የቕርቦ እሞ ኽንዲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ። እቲ ብዕፃ፥ ንምልቃቕ ዕፃ ዝበፅሖ ጤል ግና ንምልቃቕ ናብ ምድረ በዳ ኽስደድ፥ ንኸስተስርየሉ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ። ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ሓሪዱ ድማ ንባዕሉን ንቤተሰቡን የስተስሪ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ፅንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፤ ካብቲ ዝተኣረየን ዝደቐቐን ምዑዝ ዕጣን ከዓ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። ከይመውት ድማ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዘሎ ሓጢኣት ዝስረየሉ መኽደን ትኪ ዕጣን ምእንቲ ክኽውሎ፥ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ሓዊ የትክኮ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፥ ናብቲ ሓጢኣት ዘስትስረየሉ መኽደን ብወገን ምብራቑ በፃብዕቱ ይንፀግ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓጢኣት ዝስትስረየሉ መኽደን እውን ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ በፃብዕቱ ይንፀግ። ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሓጢኣት እንተ ገበሩ፥ ካብ ርኽሰቶምን ካብ በደሎምን ዝተልዓለ ነቲ መቕደስ የስተስርየሉ፤ ነቲ ምስኣቶም ኣብ ማእኸል ርኽሰቶም ዘሎ መራኸቢ ድንኳን ድማ ኸምኡ ይግበረሉ። ኣሮን ንምስትስራይ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ እንተሎ፥ ንባዕሉን ንስድራኡን ንብዘሎ ህዝቢ እስራኤልን ኣስተስርዩ ኻብኡ ኽሳዕ ዝወፅእ ሓደ ሰብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይእቶ። ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወፂኡ ንእኡ የንፅሃዮ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ዲበላን ወሲዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበረሉ። ካብቲ ደም ከዓ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንፀግ፤ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ድማ የንፅሃዮን ይቐድሶን። ንመቕደስን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ንመሰውእን ኣንፂሁ ምስ ወድአ ኸዓ፥ ነቲ ብህይወቱ ዘሎ ዲበላ የቕርቦ። ኣሮን ድማ ኽልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ብህይወት ዘሎ ዲበላ የንብር እሞ፥ ንዅሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ንዅሉ በደሎምን ንዅሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፤ ኣብ ርእሲ እቲ ዲበላ ከዓ የፁሮ፤ በቲ ነዙይ ዝተመደበ ኢድ ሰብኣይ ገይሩ ድማ ንምድረ በዳ ይውሰዶ። እቲ ዲበላ ከዓ ንዅሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ፆይሩ ናብ ፅምዊ ቦታ ይኺድ፤ እቲ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይልቀቆ። ኣሮን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይእቶ፤ ነቲ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ እንተሎ ለቢስዎ ዝነበረ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኣልባስ እውን የውፅኣዮ፤ ኣብኡ ኸዓ ይሕደጎ። ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ ድማ፥ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ናይ ቅድም ክዳውንቱ ኸዓ ይከደን። ወፂኡ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቱን ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ህዝብን ይሰውእ፤ ንባዕሉን ንህዝብን ከዓ የስተስሪ። እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስብሒ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ። ነቲ ንምልቃቕ ዝኸውን ዲበላ ዝወሰደ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ። ነቶም ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝተሰውኡ ዝራብዕን ዲበላን፥ ደሞም ንስርየት ሓጢኣት ናብ መቕደስ ዝኣተወ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅእዎም፤ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከዓ ብሓዊ የቃፅልዎ። እቲ ዘቃፀሎም ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር ይእቶ። እዝ ዝስዕብ ሕጊ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹንኩም፦ በታ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ ማእኸልኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኵልኹም ንርእስኹም ኣጨንቕዋ፤ ሓደ እኳ ስራሕ ኣይትስርሑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንፁሃት ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ናይ ሓጢኣት መስተስረዪ ኽግበረልኩም እዩሞ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትነፅሁ ኢኹም። እዛ መዓልቲ ንኣኻትኩም ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ ርእስኹም ኣዋርዱ፤ እዙይ ንሓዋሩ ዝነብር ሕጊ እዩ። እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኻህን ክኸውን ዝተቐብአን ዝተቐደሰን ሰብ፥ ስርየት ሓጢኣት ዘስተስሪ ይኹን። ብሃሪ ዝተገብረ ቅዱስ ኣልባስ ይልበስ እሞ፥ ነቲ ቕድስተ ቅዱሳንን፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ መሰውእን የንፅሃዮ፤ ንኻህናትን ንዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ድማ የስተስርየሎም። ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞን ዝበሎን ነገር እዙይ እዩ። ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ፥ ወይ ጡበት በጊዕ ወይ ጤል ኣብ ሰፈር፥ ወይ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ንመስዋእቲ ኢሉ እንተ ሓረደ፥ ኣብ ቅድሚ መሕደሪ እግዚኣብሄር፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርቦ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ ዕዳ ደም ኣለዎ። ደም ኣፍሲሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ። ስለዙይ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ በረኻ ኽስውእዎ ዝሓርድዎ ዝነበሩ መስዋእቶም፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእዎ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ መስዋእቲ ምስጋና የቕርቡ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ልዕሊ መሰውእየይ ይንፀጎ፤ ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን የቃፅሎ። ደጊም ደቂ እስራኤል ነቶም ከምልኽዎም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ሕሩድ መስዋእቲ ኣይሰውኡ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም። ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ዝሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፥ ንእግዚኣብሄር ክስውኦ ኸዓ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ። ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ደም እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም ዝበልዐ ሰብ ገፀይ ከኽብደሉ እየ። ካብ ማእኸል ህዝቡውን ከጥፍኦ እየ። ናይ ስጋ ህይወት ኣብ ውሽጢ ደም እዩ ዘሎሞ፥ ስርየት ሓጢኣት ዝርከብ ከዓ ብደም እዩ፤ ኣነ ድማ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ደም ሃብኩኹም። ስለዙይ፥ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ደም ኣይብላዕ፤ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና እውን ደም ኣይብላዕ በልኩ። ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዝነብሩ ጓኖት ዝብላዕ እንስሳ ወይ ዒፍ ሃዲኑ እንተ ሓዘ፥ ነቲ ደም የፍስሶ፤ ሓመድ ድማ ይድፈኖ። ናይ ኵሉ ስጋ ህይወትን ደሙን ሓደ እዩሞ፥ ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ በልክዎም። ናይ ኵሉ ስጋ ህይወት፥ ደሙ እዩ እሞ፥ ዝበልዖ ዅሉ ኽጠፍእ እዩ። ዝኾነ ሰብ ዝበኸተ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዐ፥ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ንፁህ ይኸውን። ክዳውንቱ እንተ ዘይሓፀበ፥ ሰብነቱ እውን እንተ ዘይተሓፀበ ግና ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብፂ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነዓን ድማ ኣይትግበሩ፤ ብስርዓቶም እውን ኣይትንበሩ። ብሕግጋተይ ንበሩ፤ ትእዛዛተይ ከዓ ሓልዉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ እቲ ንኣኣተን ዝሕሉ ሰብ ብኣኣተን ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሓደ ሰብ፥ ቀረባ ዘመዱ ንዝኾነት፥ ሕፍረታ ኽቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት እኖኻን ኣይትቕላዕ፤ እኖኻ እያ እሞ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ። ሕፍረት ሓፍትኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ኣቦኻ ወይ ጓል እኖኻ ኣብ ቤት እተወለደት ወይ ኣብ ወፃኢ እተወለደት ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ናይ ጓል ወድኻ ወይ ናይ ጓል ጓልካ ሕፍረት ስጋ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ስጋኻ እዩሞ። ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ሓፍትኻ እያ እሞ። ሕፍረት ሓፍቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ። ሕፍረት ሓፍቲ እኖኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ እኖኻ እያ። ሕፍረት ሰበይቲ ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ዘመድካ እያሞ። ንሳ ሓፍቲ ኣቦኻ እያ። ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ሰበይቲ ወድኻ እያ። ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ሓውካ እዩ። ሕፍረት እኖን ጓልን ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ጓል ጓላን ሕፍረት ጓል ወዳንውን ኣይትቕላዕ፤ ንሳተን ቀረባ ኣዝማድ እየን እሞ ዝሙት እዩ። ሰበይትኻ ብህይወታ እንተላ ሓፍታ ኽተቕንኣ፥ ሕፍረት ሓፍታ ኣይትቕላዕ። ንርእስኻ በኣኣ ኸይትረክስ፥ ሕፍረት ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትቕላዕ። ካብ ደቅኻ ንጣዖት ሞሎኽ ክስዋእ ኣሕሊፍካ ኣይተሃብ፤ ስም ኣምላኽካውን ኣይተርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ምስ ሰበይቲ ኸም እትድቅስ፥ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ፤ እዙይ ርኽሰት እዩ። ከይትረክስ ምስ ዝኾነ እንስሳ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፤ እዙይ ነውሪ እዩ። እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዝ ዅሉ ተግባራት እዙይ ረኺሶም እዮምሞ፥ በዙይ ኵሉ ኣይትርከሱ። እታ ምድሪ በዙይ ረኸሰት፤ ስለዙይ ኣነ ኸዓ ንሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ። እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዝነብርዋ ተፍአቶም። ንስኻትኩም ግና ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና፥ ካብ ኵሉ እዝ ርኽሰት እዙይ ሓደኳ ኣይትግበሩ። እዝ ዅሉ ርኽሰት እዙይ እቶም ቅድሜኹም ኣብኣ ዝነበሩ ህዝቢ ገይሮምዎ እዮም፤ ስለዙይ እታ ምድሪ ረኸሰት። ነታ ምድሪ እንተ ደኣ ኣርኪስኩምዋ፥ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ኸም ዝተፍአቶም፥ ንኣኻትኩምውን ክትተፍአኩም እያ። ካብዝ ዅሉ ርኽሰት እዙይ ዝገበረ ሰብ፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ። ስለዙይ እቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ሰባት ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝረኸሰ ስርዓታት ከይትገብሩ፤ ብእኡ ኸዓ ኸይትረኽሱ፤ እቲ ኽትሕልውዎ ኢለ ዝኣዘዝኩኹም ሓልዉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንዅሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ። ነፍሲ ወከፍኩም እኖኡን ኣቦኡን ይፍራሕ። ሰናብተይ ከዓ ሓልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ናብ ጣዖታት ኣይተግልሱ፤ ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ድማ ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ንኣይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ክትስውኡለይ እንተለኹም ደስ ከም ዘብለኒ ጌርኩም ሰውኡለይ። በታ እትስውኡላ መዓልትን ንፅባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይቃፀል። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዐ ዘፀይፍ እዩ እሞ እቲ መስዋእቲ ኣይቅቡልን እዩ። እቲ ዝበልዖ ድማ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ኣርኪሱ እዩሞ፥ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ፤ ካብ ህዝቡ ኸዓ ይወገድ። እኽልኻ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ ነቲ ደረት ግራትካ ፈፂምካ ኣይትዕፀዶ። ነቲ ቐሪም ዓፂድካ ኣይትቐርም። ቀሪም ወይንኻውን ኣይትቐርም። ነቲ ዝወደቐ ቐሪም ከዓ ኣይትእረዮ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣይትስረቕ፤ ኣይትኽሓድ፤ ንስንሳትኩም ሕሶት ኣይትነጋገሩ። ስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፥ ብስመይ ብሓሰት ኣይትምሓል፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ንብፃይካ ኣይትዓምፆ፤ ወይ ኣይትኽተሮ፤ ደመወዝ ሰራሕተኛ ንሓደ ለይቲ እኳ ምሳኻ ኣይሕደር። ንፀማም ኣይትፅረፎ፤ ኣብ ቅድሚ ዕዉር ድማ መዐንቀፊ ኣይተንብር፤ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ፍርዲ ኣይተቐይንን፤ ንዅሉ ብቕንዕና ደኣ ፍረድ እምበር ንድኻ ገፁ ርኢኻ ኣይተዳሉ፤ ንሃብታምውን ገፁ ርኢኻ ኣይተኽብሮ። ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ንሓደ ኻብ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፤ ንብፃይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ኣፍቅሮ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሕግጋተይ ሓሉ፤ ንሓደ እንስሳ ምስ ካልእ ዓይነት እንስሳ ኣይተዳቕል። ኣብ ግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ። ብኽልተ ዓይነት ዝተኣልመ ኽዳን ኣይትከደን። ሓደ ሰብ ምስ ሓንቲ ዋጋ ሓርነታ ዘይተኸፍለላ፥ ወይ ሓርነት ዘይተውሃባ፥ ንሓደ ሰብኣይ ዝተሓፅየት ባርያ ዝኾነት ጓል፥ ደቂሱ እንተ ተረኽበ ኽልቲኦም ይቀፅዑ። ሓራ ስለ ዘይወፀት ግና ኣይቀተሉ። ግና እቲ ሰብኣይ ክንዲ በደሉ ዝስዋእ ሓደ ማጕላ ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእ። ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኸዓ እቲ ኻህን በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ፤ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። ናብታ ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ኵሉ ዓይነት ዝብላዕ ኦም ድማ ምስ ተኸልኩም፥ ነቲ ፍረኡ ኸም ዘይተገርዘ ጌርኩም ረአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገርዘ ይኹንኩም፤ ኣይበላዕውን። ፍረ እታ ራብዐይቲ ዓመት ግና ንምስጋና እግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን። ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ግና ፍረኡ ብልዑ፤ ስለዙይ ከዓ በዚሑ ኽፈርየልኩም እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ምስ ደሙ ዘሎ ስጋ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቍሉ፤ ኣይተማርቱውን። ፀጕሪ ርእስኻ ዙርያኡ ኣይተሕፅር፤ ፅሕምኻ እውን ዙርያኡ ኣይትቝረፅ። ሰብ እንተ ሞተኩም ስጋኹም ኣይትባሕጭሩ፤ ብውቃጦ ድማ ምልክት ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ ህዝቢ ኸየመንዝር፥ ብርኽሰት ድማ ኸይመልእ፥ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ። ሰናብተይ ሓልዉ፤ መቕደሰይ ከዓ ኣኽብሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣብ ቅድሚ ኣረጋዊ ተስእ፤ ንሽማግለውን ኣኽብር፤ ንኣምላኽካ እውን ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ኣይትግፍዕዎ። ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፤ ከም ርእስኹምውን ፍተውዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ብፍርዲ ኾነ፥ ክትዕቅን፥ ክትመዝን፥ ክትሰፍር እንተለኻ ኣይትዓምፅ። ቅኑዕ መለክዒ፥ ቅኑዕ ሚዛን፥ ቅኑዕ መስፈሪ ይሃሉኹም። ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። እምበኣርከስ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ፥ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ዝህብ ይቀተል፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። መቕደሰይ ከርክስን ቅዱስ ስመይ ከዓ ኸሕስርን፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ኸጥፍኦ እየ። እቲ ሰብ እቱይ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ክህብ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ኽንዲ ዝቐትልዎ ሸለል እንተ በልዎ፥ እቲ ሰብ እቱይን ስድራኡን ብኣይ ፅሉኣት ክኾኑ እዮም። ንእኡን ነቶም ንኣይ ጠሊሞም ንሞሎኽ ከምልኹ ዝስዕብዎ ዅሎምን ካብ ህዝቦም ፈልየ ኸጥፍኦም እየ። ንፀዋዕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ምእንቲ ምስኣቶም ከመንዝር ዝስዕብ ሰብ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ፈልየ ኸጥፍኦ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየሞ፥ ስለዙይ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ። ሕግጋተይ ሓልዉ፤ ፈፅምዎውን፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ዝኾነ ሰብ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ ብሞት ይቀፃዕ። ንኖኡን ነቦኡን ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ። ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፥ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዝዘመወ፥ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ይቀተሉ። ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፥ ንሕፍረት ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ። ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቐሰ ሰብ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ነውሪ ገይሮም እዮም እሞ፥ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ። ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፥ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም እሞ ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ። ሓደ ሰብ፥ ንኖኣን ንጓላን እንተ ኣእተወን፥ እዙይ ርኽሰት እዩ እሞ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይቃፀሉ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ ማእኸልኩም ኣይረኸብ። ሰብ ምስ እንስሳ እንተ ተራኸበ ይቀተል። ነታ እንስሳ እውን ቅተልዋ። ሰበይቲ ድማ ኽትራኸቦ ኢላ ናብ ሓደ እንስሳ እንተ ቐረበት፥ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተልዎም፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ ይቀተሉ። ዝኾነ ሰብ ንጓል ኣቦኡ ወይ ንጓል እኖኡ ሓፍቱ ዝኾነት እንተ ኣእተወ፥ ሕፍረታ ድማ እንተ ቐልዐ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ቐልዐት፥ እዙይ ነውሪ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ይቀተሉ። ንሱ ሕፍረት ቐሊዑ እዩሞ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ። ዝኾነ ሰብ፥ ኣብ ፅገ ምስ ዝኾነት ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ሕፍረታ እንተ ቐልዐ፥ ፈሳሲኣ ቐሊዑ እዩሞ፥ ንሳ ኸዓ ፈሳሲኣ ኣቕሊዓ እያሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቦም ይወገዱ። ናይ ሓፍቲ እኖኻን ወይ ናይ ሓፍቲ ኣቦኻን ሕፍረት ኣይትቕላዕ። እዙይ ዝገብር ናይ ቀረባ ዘመድ ሕፍረት ቀሊዑ እዩሞ፥ ክልቲኦም ሓጢኣቶም ክስከሙ እዮም። ዝኾነ ሰብ ምስ ሰበይቲ ሓወቦኡ ብግብረ ስጋ እንተ ተራኸበ፥ ንሓወቦኡ ስለ ዘዋረዶ፥ በደለኛታት እዮም እሞ፥ ሓድጊ ዘይብሎም ይቀተሉ። ዝኾነ ሰብ ሰበይቲ ሓዉ እንተ ኣእተወ፥ እዙይ ርኽሰት እዩ፤ ሕፍረት ሓዉ ስለ ዝቐልዐ ብዘይ ውሉድ ይቀተሉ። እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍአኩምስ፥ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉን ፈፅሙን። ብልማድ እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺዱ፤ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበሩ እየ ዝፈንፈንክዎም። ንስኻትኩም ግና ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ “ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ንርስትኹም ክህበኩም እየ” በልኩኹም። ካብ ህዝብታት ዝፈለኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ንፁሃትን ርኹሳትን እንስሳት፥ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ንፁሃትን ኣዕዋፍ ፍለዩ። በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈለኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን፥ ርእስኹም ኣይተርክሱ። ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ፤ ናተይ ክትኮኑ ኸዓ ኻብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ። ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ መንፈስ ምውታን ዝፅውዑ፥ ወይ ጠንቈልቲ እንተ ኾይኖም ብእምኒ ተቐጥቂጦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ነቶም ደቂ ኣሮን ካህናት ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ኻህን ሓደ ኻብ ህዝቡ እንተ ሞተ ኣብ ቀብሪ ብምስታፍ ኣይርከስ፤ ቀረባ ዘመዱ፦ እኖኡ፥ ወይ ኣቦኡ፥ ወይ ወዱ፥ ወይ ጓሉ፥ ወይ ሓዉ፥ ወይ ኣብ ገዛኡ እትነብር ድንግል ዘይተመርዐወት ሓፍቱ፥ ክሞቱ እንተ ዘይኮኑ፥ ብመውስቦ ኣዝማዱ ዝኾኑ እንተ ሞቱ ሬሳኦም ብምንካእ ኣይርከስ። ካህናት፥ ርእሶም ኣይላፅዩ፤ ወሰና ወሰን ጭሕሞም ኣይላፅዩ፤ ሰብነቶም ከዓ ኣይባሕጭሩ። ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን ይኹኑ፤ ስም ኣምላኾም እውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ነቲ ምግቢ ንኣምላኾም ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእትን ቍርባንን ዘቕርቡ እዮም እሞ፥ ቅዱሳን ይኹኑ። ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን እዮም እሞ፥ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ወይ ካብ ሰብኣያ ዝተፈትሐት ሰበይቲ ኣየእትዉ። ንሳቶም እቲ ንኣምላኽኩም ዝተወፈየ መባእ እኽሊ ዘቕርቡ ኻህናት እዮም እሞ ቐድስዎም። ኣነ ዝቕድሰኩም እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ። ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት፥ ነቦኣ ስለ ዘዋረደት ብሓዊ ትቃፀል። እቲ ኣብ ኣሕዋቱ ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣብ ርእሱ ቕብኣት ዘይቲ ዝፈሰሶ፥ ናይ ክህነት ኣልባስ ክለብስ ድማ ዝተቐደሰ፥ ካብ ኣሕዋቱ ዝተፈለየ ካህን፥ ርእሱ ኣይቕላዕ፤ ክዳኑውን ኣይቕደድ። ሬሳ ሰብ ኣብ ዘለዎ ኣይእቶ፤ ሬሳ ኣቦኡን እኖኡን ብምንካእ ድማ ኣይርከስ። እቲ ቕድስና ናይ ኣምላኹ ቕብኣት ዘይቲ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፥ ካብ መቕደስ ኣይውፃእ። መቕደስ ኣምላኹ ኸዓ ኣየርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ንሱ ድንግል ጓል የእቱ። ካብ ህዝቡ ድንግል ዝኾነት ጓል የእቱ እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ። ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ዘርኡ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ኣየርክስ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ብዝመፅእ ትውልዲ ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጐደሎ ኣካል ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኽስውእ ኢሉ ኣይቕረብ። ዝኾነ ሰብ ጕድለት ኣካል ዘለዎ፥ ዕዉር፥ ወይ ሓንካስ፥ ወይ መልክዑ ወይ ቅርፁ ዝተበላሸወ፥ ወይ ስቡር እግሪ፥ ወይ ስቡር ኢድ ዝኾነ ሰብ፥ ወይ ጐባጥ፥ ወይ ድንኪ፥ ወይ ዓይኑ ዝሓበለ፥ ወይ ሻሕራም፥ ወይ ዓባቕ፥ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ። ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጕድለት ኣካል ዘለዎ፥ ዝኾነ ሰብ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኸቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ካብቲ ፍፁም፥ ቅዱስ ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ግና ይብላዕ። እንተ ኾነ ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መቕደሰይ ኣየርክስ፤ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፤ ናብ መሰውኢውን ኣይቕረብ፤ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሙሴ ድማ እዙይ ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነገሮም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ ንኣሮንን ንደቁን፥ ነቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ከኽብርዎን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ከዓ ኸየርክስዎን ንገሮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ከምዙይ ከዓ በሎም፦ ካብ ኵሉ ዘርእኹም፥ ዝኾነ ሰብ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ እንተሎ፥ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ቅድመይ ተፈልዩ ይጥፋእ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ካብ ደቂ ኣሮን ዝኾነ ሰብ ሕማም ለምፂ ዘለዎ፥ ወይ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ፥ ክሳዕ ዝነፅህ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምዉት ዝረኸሰ ዝኾነ ነገር እንተ ነኽአ፥ ወይ ዘርኡ እንተ ፈሰሶ፥ ወይ ከርክሶ ዝኽእል ለመም ዝብል እንተ ነኽአ፥ ወይ ዝኾነ ርኽሰት ዘለዎ ሰብ እንተ ነኽአ ድማ ረኺሱ እዩ። ንእኡ ዝነኽአ ሰብ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ሰብነቱ ብማይ እንተይተሓፀበ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። ፀሓይ ምስ ዓረበት ግና ንፁህ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ። ብእኡ ኸይረክስ፥ ዝበኸተን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቶም ካህናት ትእዛዛተይ ብምፍራስ ሓጢኣት ከይኾኖም፥ እንተ ኣርከስዎ ድማ ኸይሞቱስ፥ ትእዛዛተይ ይሓልዉ፤ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ፥ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ፤ ምስ ካህን ዝነብር ወይ ኣገልጋሊኡ ኻብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። እቲ ኻህን ብገንዘቡ ዓዲጉ ባርያ እንተ ኣጥረየ፥ ወይ ኣብ ገዛኡ ዝተወልደ ባርያ እንተ ሃልይዎ፥ እዚኣቶም ካብቲ ብፅሒቱ ይብልዑ። ጓል ካህን ድማ ኻብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ እንተ ተመርዐወት፥ ካብቲ ብፅሒት ካህናት ዝኾነ ቕዱስ መስዋእቲ ኣይትብላዕ። ጓል ካህን መበለት ወይ ፍትሕቲ እንተ ኾይና፥ ውሉድውን እንተ ዘይብላ፥ ተመሊሳ ድማ ኸምቲ ብጓላ ዝነበረቶ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተ ተቐሚጣ፥ ካብ እንጀራ ኣቦኣ ትብላዕ። ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ ግና ኻብኡ ኣይብላዕ። ዝኾነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ዝተቐደሰ እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ነቲ ዝተቐደሰ ንኻህን ይሃቦ። ነቲ ህዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ ዝተቐደሰ፥ እቶም ካህናት ንዘይግብኦም ሰባት ክበልዕዎ ብምፍቃድ ኣየርክስዎ፤ በዙይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝበልዑ መቕፃዕቲ ዘስዕብ በደል ከየምፅኡ፥ ነቲ መስዋእቲ ቅዱስ ዝገብሮ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ ወይ ኣብ እስራኤል ዝነብር ጓና መስዋእቱ ኸቕርብ እንተሎ፥ መስዋእቲ መብፅዓ ኾነ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፥ ንእግዚኣብሄር ንዝቃፀል መስዋእቲ ዘቕርብ፥ ምእንቲ ቕቡል ክኾነሉ፥ ካብ ኣብዑር ኮነ ኻብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ የቕርብ። ዝኾነ ጐደሎ ዘለዎ ግና ቕቡል ኣይኾነልኩምን እዩ እሞ ኣይተቕርብዎ። ዝኾነ ሰብ ድማ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ ከፍቲ ኾነ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ፥ ከቕርብ እንተሎ ቕቡል ምእንቲ ክኾነሉ ጐደሎ ዘይብሉ ይኹን። ዕዉር፥ ወይ ስቡር፥ ወይ ቍሩፅ፥ ወይ ቍሱል፥ ወይ ዓባቕ፥ ወይ ሻሕራም ወይ ዙዕታ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኻብዚኣቶም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣይትግበሩ። ብዕራይ ወይ በጊዕ ትርፊ ኣካል እንተ ሃልይዎ፥ ንመስዋእቲ ፍቓድ ግበሮ፤ ንመስዋእቲ መብፅዓ ግና ኣይቅቡልን እዩ። ብምጭፍላቕ፥ ወይ ብምቕጥቃጥ፥ ወይ ብምምላሕ፥ ወይ ብምቝራፅ ዝተመከተ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ፤ ኣብ ሃገርኩም ከምዙይ ዝበለ ኣይትሰውኡሉ። ከምዚኣቶም ዝበሉ እንስሳት ካብ ጓና ተቐቢልኩም ንኣምላኽኩም ከም መስዋእቲ ኣይተቕርቡ። ጕዱኣትን ጐደሎ ዘለዎምን ስለ ዝኾኑ ቕቡላት ኣይኾኑልኩምን እዮም እሞ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ብተይ፥ ወይ ሌማ፥ ወይ ማሕስእ ምስ ተወለደ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እኖኡ ይፅናሕ፤ ካብ ሻምነይቲ መዓልቲ ንደሓር ግና ንእግዚኣብሄር ንዝቐርብ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ቕቡል እዩ። ላሕሚ ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ፤ መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ክትስውኡ እንተለኹም ተቐባልነት ከም ዝረክብ ጌርኩም ሰውኡለይ። በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፤ ካብኣ ሓደ እኳ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ኣይትሕደጉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ትእዛዛተይ ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ምእንቲ ኽቕደስስ፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን ካብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝተቐደሰ ጉባኤ ኢልኩም እትእውጁለን በዓላተይ እዚኣተን እየን፦ ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ይሰራሕ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ጉባኤ ዝፅውዑላ ሰንበት፥ ዕረፍቲ እያ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እትነብርዎ ስፍራ ብመዓልቲ ሰንበት ኣይትስርሑ፤ ሰንበት ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እያ። እተን ኣብ ምዱብ ጊዜያተን ንህዝቢ እስራኤል እትእውጁወን በዓላተይ እዚኣተን እየን። ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካይ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ። በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሸውዓተ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ብልዑ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ። ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ዓፂድ ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ካብቲ ቐዳማይ ዓፂድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምፅኡ። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበለኩም ከዓ፥ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ። በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ጡበት በጊዕ ሰውኡ። ምስኡ ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ካብቲ መስፈሪ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ዝኾነ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ብሓዊ ዝቃፀል ኣቕርቡ፤ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ምስኡ ድማ ንቝርባን ወይኒ ርብዒ ብመስፈሪ ኢን ኣቕርቡ። ንኣምላኽኩም ቍርባን ክሳዕ እተቕርቡሉ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይ እንጀራ ኾነ ዝተጠበሰ ሸዊት፥ ለምለም ሸዊትውን ኣይትብልዑ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ሃገር ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ሕጊ ይኹንኩም። ካብታ ዝውዝወዝ እንዳእቲ ዘምፃእኹምላ መዓልቲ ንደሓር፥ ካብ ፅባሕ እታ ሰንበት ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ምሉኣት ሰሙናት ቍፀሩ። ክሳዕ ፅባሕ እታ ሻውዐይቲ ሰንበት ድማ ሓምሳ መዓልቲ ቝፀሩ፤ ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ቍርባን እኽሊ ኣቕርቡ። ካብቲ እትገብርዎ፥ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ብኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ በዂዑ ዝተሰንከተ ኽልተ ሕብስቲ ንእግዚኣብሄር በዅራት ኣምፅኡ። ምስቲ ሕብስቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ክልተ ማጓሉ ኣቕርቡ፤ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ይኹኑ። ምስቲ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ይኹኑ። ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኽልተ ዓመት ዝገበሩ ጡበታት ኣባጊዕ ሰውኡ። እቲ ኻህን ድማ ንኣኣቶም ምስቲ ሕብስቲ በዅራትን ምስ ክልቲኦም ጡበታት ኣባጊዕን ገይሩ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ፥ ብፅሒት ነቲ ኻህን ድማ ይኹኑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ። ዓፂድ ምድሪኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ክሳዕ ወሰን ግራትኩም ኣይትዕፀዱ፤ ንቐሪም እቲ ዕፁድኩም እውን ኣይትእረይዎ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደግዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ ይኹነልኩም። ብቓና መለኸት ጌርኩም ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት እያ። ቅዱስ ጉባኤ ይኹነልኩም፤ ዝኾነ ነገር ድማ ኣይትብልዑ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት እያ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንባዕሉ ዘየዋርድ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ። በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሕ ሰብ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ኸጥፍኦ እየ። ዝኾነ ይኹን ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ፍፁም ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብንስሃ ንርእስኹም ኣዋርዱ። ካብ ምሸት ናይታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ክሳዕ ምሸት ናይታ ዓስረይቲ መዓልቲ ፍፁም ዕረፍቲ ግበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ንእግዚኣብሄር በዓል ዳስ ይኸውን፤ እዙይውን ንሸውዓተ መዓልቲ ይፀንሕ። ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ። ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ብሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ይኹነልኩም፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። መዓልቲ ጉባኤ እዩ እሞ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ቅዱስ ጉባኤታት እትእውጁለን፥ ዕለታት እቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእትን ቍርባን እኽልን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መስተን እተቕርቡለን በዓላት እዚኣተን እየን። እዞም በዓላት እዚኣቶም፥ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር እትህብዎ ውህብቶኹም፥ ብዘይ ኵሉ መብፅዓኹም፥ ብዘይ እቶም ብፍቓድኩም እተቕርብዎም ተወሰኽቲ እዮም። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እቶት እታ ምድሪ ምስ ኣከብኩም፥ ሸውዓተ መዓልቲ፥ በዓል እግዚኣብሄር ኣብዕሉ። እታ ቐዳመይቲ መዓልትን እታ ሻምነይቲ መዓልትን፥ መዓልቲታት ዕረፍቲ ይኹና። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለፀ ፍረ ኦምን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ቈፃል ኣእዋም ኲሓን ውሰዱ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ደስ ይበልኩም። ነዝ በዓል እዙይ ኣብ ዓመት ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕልዎ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ። ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎም፥ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፤ ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም ኣብ ዳስ ይቀመጡ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ከምዙይ ኢሉ ሙሴ፥ ብዛዕባ እተን ምዱባት በዓላት እግዚኣብሄር፥ ንደቂ እስራኤል ነገሮም። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ እቲ ቐንዲል ዅልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ተወቒጡ ዝተፃረየ ዘይቲ ኣውሊዕ ከምፅኡልካ ኣዝዞም። ኣሮን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ዘሎ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ዅልሻዕ የብርሃዮ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ነቲ ቐናዲል ኣብቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ የዳልዎ። ልሑም ሕሩጭ ወሲድካ ድማ ኻብኡ ዓሰርተ ኽልተ ሕብስቲ ሰንክት፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብስቲ ካብቲ መስፈሪ ካብ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ይኹን። ኣብቲ ፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ጠረጴዛ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሽዱሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ። ነቲ ሕብስቲ ድማ ንመዘከርታ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ክኸውን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕድሕድ መስርዕ ሕብስቲ ፅሩይ ዕጣን ኣንብር። ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኵልሻዕ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብመስርዕ የንብሮ፤ እዝ ስርዓት እዙይ ንደቂ እስራኤል ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ። ብሓዊ ኻብ ዝተገብረ ኻብ እግዚኣብሄር ቍርባን ብዘለኣለም ስርዓት ንእኡ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ፤ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾይኖም ከዓ ይብልዕዎ። እኖኡ እስራኤላዊት ኣቦኡ ድማ ግብፃዊ ዝኾነ ሰብኣይ ምስ ሓደ እስራኤላዊ ኣብቲ ሰፈር ተበኣሰ። ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸዓ ንስም እግዚኣብሄር ፀረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ወሰድዎ። (እኖኡ ኸዓ ሰሎሚት ዝተብሃለት ጓል ዲብሪ፥ ካብ ነገድ ዳን ነበረት።) ፍቓድ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝግለፀሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣፅንሕዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ነቲ ዝተፃረፈ ሰብኣይ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅኣዮ፤ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ከዓ በዳሊ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽምስክሩ፥ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ሰብ ንኣምላኹ ዝፀረፈ ፍዳኡ ኽቕበል እዩ። እቲ ንስም እግዚኣብሄር ዝፀርፍ ይቀተል፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ። ጓና ኾነ ወይ እስራኤላዊ፥ ንስም እግዚኣብሄር እንተ ፀረፈ ይቀተል። ናይ ካልእ ሰብ እንስሳ እንተ ቐተለ ኸዓ፥ ህይወት ክንዲ ህይወት እዩ እሞ፥ ይተክእ። ሰብ፥ ኣካል ብፃዩ እንተጕደለ፥ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይግበርዎ፤ መስበርቲ፥ ክንዲ መስበርቲ፤ ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፤ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ ይኹን። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጕደሎ፥ ንእኡ ድማ ኸምኡ ይግበርዎ። እንስሳ ዝቐተለውን ይተክአሉ፤ ንሰብ ዝቐተለ ግና ይቀተል። ንጓና ኾነ ንእስራኤላዊ ሓደ ዓይነት ሕጊ ይኹነልኩም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም፥ ነቲ ዝፀረፈ ናብ ወፃኢ ሰፈር ወሲዶም፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተኽብር። ሽዱሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ፥ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ወይንኻ ጠጥፍ፤ ፍረኣ ድማ ኣክብ። በታ ሻውዐይቲ ናይ ዕረፍቲ ዓመት ግና እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ትኹን። ግራትካ ኣይትዝራእ፥ ወይንኻ እውን ኣይትቝረፅ። ነቲ እንተይተዘርአ ባዕሉ ዝበቊል ኣይትዕፀዶ፤ ነቲ እንተይገረዝካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥቦ። ነታ ምድሪ ዓመት ዕረፍቲ ሰንበት ይኹን። እታ ምድሪ በታ ዓመት እቲኣ እንተ ዘይተሓርሰት እኳ ንኣኻን ንኣገልጋሊኻን ንኣገልጋሊትካን ንዕሱብካን ግዙእኻን ንግዝእትኻን ነቲ ምሳኻ ዝነብር ስደተኛን ምግብኹም ክትህብ እያ። ኵሉ ፍረኣ ንእንስሳኻን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ ኣራዊትን ቀለብ ይኹን። ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ዓመት ቍፀር፤ ድምሩ ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ። ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብመዓልቲ ስርየት ሓጢኣት፥ ኣብ ኵላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ። ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፤ ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ነፃነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም። ኵሉ ሰብ ነናብ ርስቱን ነናብ ወገኑን ይመለስ። እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም፤ ኣይትዝርኡ፤ እቲ ባዕሉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸዓ ኣይትዕፀዱ፤ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ስለ ዝኾነት ቅድስቲ ትኹነልኩም፤ ግራት ባዕላ ዘፍረየቶ ጥራሕ ብልዑ። በዛ ዓመት ኢዮቤልዩ፥ ዝኾነ ዝተሸጠ ርስቲ ናብ ናይ ቅድም ዋናኡ ይመለስ። ንብፃይካ መሬት እንተ ሸጥካሉ፥ ወይ ካብ ብፃይካ እንተ ዓዲግካ፥ ሰብ ንብፃዩ ኣየታልል። ካብ ብፃይካ መሬት ክትዕድግ እንተለኻ፥ ክሳዕ እታ እትመፅእ ዓመት ኢዮቤልዩ ዘሎ ቝፅሪ ዓመታት ቈፂርካ ዓድግ፤ ንሱ ድማ ብመጠን እታ ምድሪ እተፍርየለን ዓመታት ይሽጠልካ። ብቝፅሪ ዓመታት መጠን እተፍርዮ ፍረ እዩ ዝሸጠልካ እሞ፥ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣብዝሕ፤ ብመጠን ምውሓድ ዓመታት ድማ ዋጋ ኣውሕድ። ሓደ እኳ ንብፃዩ ኣይዓምፅ፤ ንኣይ ንኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉን ግበርዎን፤ ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም። እታ ምድሪ ኸዓ ፍረኣ ትህብ እሞ፥ በሊዕኹም ትፀግቡ፤ ኣብኣ እውን ብደሓን ትነብሩ። እንተ ዘይዘራእናን ፍረ ድማ እንተ ዘየእተናን ደኣ በታ ሻውዐይቲ ዓመት እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንተ በልኩም፥ በታ ሻድሸይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ፍረ ኸተፍርየልኩም እያ። በታ ሻምነይቲ ዓመት ድማ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ካብ ነባር እኽሊ ኸዓ ኽትበልዑ ኢኹም። እታ ታሽዐይቲ ዓመት፥ ፍሪኣ ኽሳዕ ዝኣቱ፥ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም። ምድሪ ናተይ እያ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፥ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ። መሬት ክሽየጥ እንተሎ እቲ ናይ ቅድም ዋናኡ መሊሱ ኽዕድጎ ግቡእ ኸም ዝኾነ ይፈለጥ። ሓደ እስራኤላዊ ሓውካ ተሸጊሩ ኻብ ርስቱ እንተ ሸጠ፥ ዝቐርቦ ዘመዱ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ርስቲ ኸፊሉ ይምለሶ። መሊሱ ዝዕድጎ ዘመድ እንተ ዘይብሉ፥ ደሓር ግና እንተ ሃብተመ፥ ንመኽፈሊ ዝኣክል እውን እንተ ረኸበ፥ እቲ መሬት ዝተሸጠሉ ዓመታት ይቝፀር እሞ፥ እቲ ዝተረፎ ነቲ ዝዓደገ ሂቡ፥ ናብ ርስቱ ይመለስ። ንመምለሲኡ ዝኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፥ እቲ ዝተዓደገ ኽሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ኣብ ኢድ ዓዳጊኡ ይፅናሕ፤ በታ ዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ይውፃእ፤ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ። ሓደ ሰብ ኣብ ዝተቐፀረት ከተማ ዘላ ገዛ እንተ ሸጠ፥ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ከም ብሓድሽ ክዕድጋ ይኽእል እዩ። ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይዓደጋ ግና እታ ኣብ ዝተዓረደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ ዝዓደጋ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፤ ብዓመት ኢዮቤልዩ እውን ኣይትውፃእ። ኣብ ዙርያአን ቅፅሪ ኣብ ዘይብለን ዓድታት ዘለዋ ኣባይቲ ግና ኸም ግራውቲ ሃገር ይተሓሰባ፤ እቲ ዋና መሊሱ ኽዕድገን ይኽእል እዩ፤ ብዓመት ኢዮቤልዩ ድማ ሓራ የውፅኣ። ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና፥ ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸፊሎም ክመልስወን ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሌዋዊ ኻብዘን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ፥ ቤት እንተ ሸጠ፥ መሊሱ ኽዕድጋ ድማ እንተ ዘይከኣለ፥ እታ ቤት ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ትውፃእ። እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ሌዋውያን እየንሞ። ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘለዋ ግራውቲ ግና፥ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እየን እሞ ኣይሸየጣ። ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ እናሃለወ እንተ ሰኣነ፥ ከም ጓናን ከም ጋሻን ጌርካ ምሳኻ ኣንብሮ። ካብኡ ሃረፃ ወይ ወለድ ኣይትውሰድ። ንእግዚኣብሄር ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ፤ ሓውካ ኸዓ ምሳኻ ይንበር። ገንዘብካ ብሃረፃ ኣይተለቅሓዮ፤ እኽልኻውን ብወለድ ኣይትሃቦ። ኣምላኽ ክኾነኩምን ምድሪ ከነዓን ክህበኩምን ካብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ሓውካ ምሳኻ እንተሎ እንተ ደኸየ፥ ባዕሉ ንባዕሉ እንተ ሸጠልካ፥ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ። ከም በዓል ዓስብን ከም ስደተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ድማ የገልግልካ። ሽዑ ንሱን ደቁን ካባኻ ሓራ ይውፅኡ፤ ናብ ዓሌቶምን ናብ ርስቲ ኣቦታቶምን ከዓ ይመለሱ። ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም ኣገልገልተይ እዮም እሞ ኸም ባርያ ኣይሸየጡ። ኣጨኒቕካ ኣይትግዝኣዮም፤ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ። ንኣኻትኩም ዝኾኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት ግዝኡ። ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዝነብሩ ጓኖትን ኣብ ሃገርኩም ካብ ዝተወለዱ ዓሌቶምን ዓድጉ እሞ፥ ጥሪት ይኹኑኹም። ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፤ ንሳቶም ንውሉድ ወለዶ ኸገልግሉኹም እዮም። ነሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ንሓደ እኳ ኣጨኒቕኩም ኣይትግዝእዎ። ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓና ወይ ጋሻ እንተ ሃብተመ፥ ሓደ እስራኤላዊ ሓውኩም ከዓ እንተ ደኸየ እሞ፥ ኣብ ሓደ ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓና ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና ባዕሉ ንባዕሉ እንተ ሸጠ፥ ሓራ ኽወፅእ ይኽእል እዩ እሞ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይቤዘዎ። ሓወቦኡ ወይ ወዲ ሓወቦኡ ወይ ካብ ዓሌቱ ሓደ ዘመዱ ይቤዘዎ፤ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፥ ንባዕሉ ይቤዘዎ። ካብታ ዝተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ምስቲ ዝዓደጎ ኾይኑ ይፀብፅብ፤ ዋጋ ሓርነቱ ብመጠን ቍፅሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ኮይኑ፥ በቲ ንሓደ ዕሱብ ዝኽፈሎ ውዕለት ይገምገም። ገና ብዙሕ ዓመታት ተሪፉ እንተ ሃልዩ ግና ሓራ ኽወፅእ ብመጠን እተን ዓመታት ካብቲ ዝተሸጠሉ ገንዘብ ይምለስ። ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ቑሩብ ዓመታት እንተ ተሪፉ፥ ምስቲ ዝዓደጎ ፀብፂቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መቤዘዊኡ ይምለስ። ከም ዕሱብ ዓመት ዓመት ከም ዝተቘፀረ ጌርካ ይገመት፤ እቲ ጐይታኡ ኣጨኒቑ ኣይግዝኣዮ። በዝ ኸምዙይ ሓራ እንተ ዘይወፀ ግና፥ ንሱን ደቁን ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ይውፅኡ፤ ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ። ንሳቶም ካብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም ባሮተይ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ነኣኻትኩም ጣዖታት ኣይትግበሩ፤ ምስሊ፥ ወይ ሓወልቲ ኣይተቑሙ፤ ክትሰግዱሉ ኢልኩም ድማ ዝተወቕረ እምኒ ኣብ ምድሪኹም ኣይትግበሩ፤ ኣምላኽኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሰናብተይ ሓልዉ፤ መቕደሰይ እውን ኣኽብሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥ ኣነ ዝናም ብጊዜኡ ኽህበኩም እየ። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ። ኣእዋም በረኻ ኸዓ ፍረአን ክህባ እየን። መኼዳኹም ክሳዕ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ይፀንሕ፤ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ኸዓ ኽሳዕ ዘርኢ ይፀንሕ፤ እንጀራኹም በሊዕኹም ክትፀግቡ፥ ኣብ ምድሪኹም ከዓ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም። ኣብ ምድሪኹም ሰላም ክህብ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ብዘይ ስግኣት ትድቅሱ፤ ዘፍርሐኩም እውን ኣይህሉን እዩ። ንሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ሰይፊ ድማ ብልዕሊ ምድሪኹም ኣይሓልፍን። ንፀላእትኹም ተሳጕጉዎም፤ ንሳቶም ድማ ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ የሳጕጉዎም፤ ሚእቲ ኻባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ የሳጕጉዎም፥ ፀላእትኹም ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ኣነ ኽባርኸኩም እየ እሞ፥ ከፍርየኩምን ከብዝሐኩምን እየ፤ ኪዳነይ ከዓ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ። ንነዊሕ ጊዜ ዝተዓቝረ ነባር እኽሊ ኽትበልዑ ምስ ፀናሕኹም፥ ነቲ ሓድሽ እኽሊ ስፍራ ምእንቲ ኽትረኽቡሉ ነቲ ዕቑር ተውፅእዎ። ማሕደረይ ኣብ ማእኸልኩም ክገብር እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣይፅየፈኩምን እየ። ኣብ ማእኸልኩም እነብር፤ ኣምላኽኩምውን እኸውን፥ ንስኻትኩም ከዓ ህዝበይ ትኾኑኒ። ምእንቲ ባሮቶም ከይትኾኑ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ኣርዑት ባርነትኩም ድማ ሰበርኩ፤ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ከም እትኸዱ እውን ገበርኩኹም። ግና እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥ ነዝ ዅሉ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይፈፂምኩም፥ ሕግጋተይ ድማ እንተ ነዓቕኩም፥ እሞ ዅሉ ትእዛዛተይ ከይትፍፅሙ ፍርድታተይ እንተ ዘይተቐቢልኩም፥ ኪዳነይ ከዓ እንተ ኣፍሪስኩም፥ ኣነ ድማ ኸምዙይ ክገብረኩም እየ፦ ሽብርን ዘመንምንን ነዒንቲ ዘሕምቕን ንሰብነት ዘድክም ረስንን ክሰደልኩም እየ። ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ፤ ፀላእትኹም ክበልዕዎ እዮም እሞ። ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም። ድሕሪ እዝ ዅሉ ገና እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ። ንሓይሊ ትዕቢትኩም ክሰብሮ እየ፤ ንሰማይኩም ከም ሓፂን፥ ንምድሪኹም እውን ከም ነሃስ ክገብሮ እየ። ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፤ ኦም ምድሪ እውን ፍረኣ ኣይትህብን እያ እሞ፥ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ። እንተ ተፃሪርኩምኒ፥ ክትሰምዑኒ እውን እንተ ዘይፈቲኹም፥ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ። ንደቅኹም ዝቐትሉ፥ ንእንስሳኹም ዘጥፍኡ፥ መንገድኹም ክሳዕ ዝባድም ንቝፅርኹም ዘውሕዱ ኣራዊት ክሰደልኩም እየ። በዝ ነገር እዙይ እንተ ዘይተቐፃዕኹም፥ ንኣይውን ብምፅራር እንተ ፀኒዕኹም፥ ኣነ ኸዓ ንኣኻትኩም ክፃረረኩም እየ፤ ብሓጢኣትኩም እውን ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ። ኪዳነይ ስለ ዘፍረስኩም ንመቕፅዒኹም ውግእ ከምፅእ እየ፤ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተሓቢእኹም ከዓ ናብ ማእኸልኩም ሕማም ፌራ ኽሰድድ እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላኢኹም እውን ክትወድቁ ኢኹም። እንጀራ ኽኽልክለኩም እንተለኹ ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ክስንክታ እየን። እንጀራኹም ድማ ብመቝነን ክወሃበኩም እዩ፤ በሊዕኹም ከዓ ኣይትፀግቡን ኢኹም። ድሕሪ እዝ ዅሉ እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ እሞ እናተፃረርኩምኒ እንተ ኸድኩም፥ ኣነ ድማ ብቝጥዓ እናተፃረርኩኹም እኸይድ እሞ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ኽቐፅዐኩም እየ። ስጋ ኣወዳትኩምን ስጋ ኣዋልድኩምን ክትበልዑ ኢኹም። ናይ ኰረብታ መስገዲኹም ከፍርሶ እየ፤ ናይ ፀሓይ ኣዕምድኹም ክሰብር እየ፤ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ህይወት ዘይብሎም ዝወደቑ ጣዖታትኩም ክድርብዮ እየ፤ ኣነ ኸዓ ኽፅየፈኩም እየ። ንኸተማታትኩም ከዕንወን እየ፤ ንመቕደሳትኩም እውን ከፍርሰን እየ፤ ደጊም በቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ደስ ኣይብለንን እዩ። ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ፀላእትኹምውን ከስደምሞም እዩ። ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን። ሽዑ እታ ሃገር በቲ ዅሉ ዑና ኾይና እትነብረሉ ዘመን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ፀላእትኹም እንተለኹም፥ ብዓመታት ዕረፍታ ደስ ክብላ፥ ሽዑ እታ ምድሪ ኽትዓርፍ ብዕረፍታ ኸዓ ደስ ክብላ እዩ። እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ እንተለኹም ዘይረኸበቶ ዕረፍቲ፥ በቲ ዑና ኾይና እትነብረሉ ዘመን ክትረኽቦ እያ። ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ፀላእቶም እንተለዉ፥ ናብ ልቦም ራዕዲ ኸእቱ እየ፤ ጠሸም ዝበለ ቘፅሊ ኸዓ የህድሞም፤ ካብ ኲናት ከም ዝሃድም ይሃድሙ፤ ዝኾነ እንተየሳጐጎምውን ይወድቁ። ሓደ እኳ እንተየሳጐጎም፥ ካብ ቅድሚ ሰይፊ፥ ከም ዝሃድሙ ንስንሳቶም ይሰነኻኸሉ፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ደው ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣብ ማእኸል ህዝብታት ትጠፍኡ፤ ምድሪ ፀላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም። እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ፀላእትኹም ብሓጢኣቶም ይምንምኑ፤ ብሓጢኣት ኣቦታቶምውን ምስኣቶም ይምንምኑ። በቲ ዝበደሉንን በቲ ዝገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ክናዘዙ እዮም። ንሳቶም ስለ ዝተፃረሩንን ስለ ዝኸድዑንን፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከዓ ተፃረርክዎም፤ ናብ ምድሪ ፀላእቶምውን ኣእተኹዎም። ሽዑ እቲ ዘይግሩዝ ልቦም እንተ ኣዋረዱ፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ድማ እቲ ምስ ያእቆብን ምስ ይስሓቅን ምስ ኣብርሃምን ዝኣተኹዎ ኺዳነይ እዝክር፤ ነታ ሃገር እውን እዝክራ። ነታ ሃገር ክሓድግዋ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ብዘየለውሉ ዓንያ እንተላ ብዕረፍታ ደስ ይብላ፤ ንሳቶም ከዓ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፥ ሕግጋተይ ስለ ዝተፀየፉን፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም። ንሳቶም እኳ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም እንተለዉ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም ኢለ ኣይገድፎምን እየ፤ ኣይፅየፎምን ድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣየፍርሶን እየ። ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ከውፅኦም እንተለኹ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክር እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን፥ ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሃቦ ትእዛዛትን ሕግጋትን እዙይ እዩ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ ንስኻ ኸም እትግምቶ ዋጋ እቲ ሰብ ይኸፍል። ከፊሉ ኽቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ከምዝ ዝስዕብ ይኽፈል፦ ንሰብኣይ ሓምሳ ሰቕሊ ንሰበይቲ ሰላሳ ብሩር ይኽፈል። ንጓል ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን፤ ንጓል ከዓ ሰለስተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን። ንሰበይቲ ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን። እቲ ዝተመባፅዐ ነዙይ ክኸፍል ዘይኽእል ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ነቲ ብመብፅዓ ዝተወፈየ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። እቲ ኻህን ከዓ ዓቕሙ ሪኡ ዝኽእሎ ዋጋ ይገምግመሉ። እቲ ዝተመባፅዖ ንእግዚኣብሄር ክቐርብ ዝኽእል ካብ እንስሳ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ቅዱስ እዩ። ነቲ ሰናይ ብሕማቕ፥ ነቲ ሕማቕ ድማ ብሰናይ ኣይለውጥ፤ ወይ ኣይተክእ። ሓደ እንስሳ ብሓደ እንስሳ እንተ ለወጠ ግና፥ እቲ ቐዳማይን እቲ መላውጡን ዝተቐደሱ ይኾኑ። እቲ ዝተመባፅዖ ኻብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይቐርቡ ርኹሳት ዝኾኑ እንስሳ እንተ ኾነ ኸዓ፥ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። እቲ ኻህን ድማ፥ ንፁህ እንተ ኾይኑ ወይ ዝረኸሰ እንተ ኾይኑ፥ ይገምግሞ። ዋጋኡ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝገመቶ ይኹን። ክብይዘዎ እንተ ደለየ ድማ ሓምሻይ ኢድ ናይቲ ዋጋኡ ወሲኹ ይቤዘዎ። ሓደ ሰብ ገዛኡ ንእግዚኣብሄር ክትከውን እንተ ቐደሳ፥ እቲ ኻህን ነታ ገዛ ፅባቐኣ ወይ ምሕማቓ ይገምግማ። ዋጋኣ ኸዓ ኸምቲ ኻህን ዝገመታ ይኹን። እቲ ገዛኡ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ዝሃባ፥ መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ደለየ ኣብቲ ዋጋኣ ሓምሻይ ኢድ ይወስኽ እሞ ናቱ ትኹን። ሓደ ሰብ ካብ ርስቱ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሳ፥ ዋጋኡ በቲ ዝውድኦ ዘርኢ ይገመት፤ ብመስፈሪ ሆሜር ነታ ግራቱ ድሕሪ ዓመት ኢዮቤልዩ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ቐደሳ፥ ዋጋኣ ኸም ናይ ቅድሙ ይኹን እምበር ኣይለወጥ። ዓመት ኢዮቤልዩ ምስ ሓለፈ ግራቱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ እቲ ኻህን ብቝፅሪ እተን ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፤ ካብቲ ዋጋኣ ድማ ይጕደል። እቲ ግራቱ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ዝሃበ፥ መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ደለየ፥ ኣብቲ ዋጋኣ ሓምሻይ ኢድ ይወስኽ እሞ ናቱ ትኹን። ነታ ግራት መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ዘይደለየ እሞ ናብ ካልእ ሰብ እንተ ሸጣ ብድሕሪኡ መሊሱ ኽዕድጋ ኣይኽእልን እዩ። ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ምስ ወፀት፥ እታ ግራት ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየት ቅድስቲ ትኹን፤ ርስቲ ኻህናት ከዓ ትኹን። ሓንቲ ኻብ ርስቱ ዘይኮነት፥ ግና ዝዓደጋ ግራት ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር እንተ ወፈየ ድማ፥ ሽዑ እቲ ኻህን ብቝፅሪ እተን ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይኽፈል። እቲ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። ብዓመት ኢዮቤልዩ ግና እታ ግራት ናብቲ ዝሸጣ፥ ናብቲ በዓል ርስቲ ትመለስ። ኵሉ ኣገማምታኻ ብሚዛን ሰቕሊ መቕደስ ይኹን። ሓደ ሰቕሊ ዕስራ ጌራ እዩ። በዅሪ እንስሳ ዝኾነ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ኣይውፈን እዩ። በዅሪ ብዕራይ ኮነ በዅሪ በጊዕ ኵሉ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። በዅሪ ዝረኸሰ እንስሳ እንተ ኾነ ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይዓድጎ። እንተ ዘይዓደጎ ግና ብዋጋኡ ይሸየጥ። ሰብ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይኹን ኢሉ ዝወፈዮ ዅሉ፥ ብገንዘብ ወይ ሰብ ወይ እንስሳ ወይ ግራት ርስቱ ኣይሸየጥ፤ ኣይቤዘዎውን። ዝተወፈየ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። ካብ ሰብ ሕሩም ዝኾነውን ካሳዕ ዝሞት ኣይቤዘውን። ኵሉ ዓስራት ምድሪ፥ ወይ ዘርኢ ምድሪ ወይ ፍረ ኦም፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ። ሰብ ነቲ ዓስራት ክቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ኣብ ልዕሊ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይቤዘዎ። ካብ ኵሉ ኸፍቲ ኻብ ዓሰርተ ሓደ፥ ካብቲ ትሕቲ በትሪ እቲ ጓሳ ዝሓልፍ፥ በጊዕን ጤልን ድማ ኻብ ዓሰርተ ሓደ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኸውን። ፅቡቕ ወይ ክፉእ ኢሉ ኣይመርምር፤ ኣይለውጥ። እንተ ለወጠ ግና፥ ንሱን እቲ መላውጡን ንኣይ ዝተቐደሱ ይኹኑ። ክቢዘዎውን ኣይኽእልን እዩ። እቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝሃቦም ትእዛዛት እዚኣቶም እዮም። ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ “ናይ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ቍፅሪ ውሰድ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብቝፅሪ ስሞምን፥ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ቝፅሩ ውሰድ። ንስኻን ኣሮንን፥ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ዅሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ በብኽፍሊ ሰራዊቶም ቍፀርዎም። ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሓለቓ ማይ ቤት ምሳኻትኩም ይኹን። ካብ ሮቤል፥ ኤሊሱር ወዲ ሱሪሳዳይ፥ ካብ ስምኦን፥ ሰለሚኤል ወዲ ሰዲዮር፥ ካብ ይሁዳ፥ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፥ ካብ ይሳኮር፥ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥ ካብ ዛብሎን፥ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥ ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ገማልኤል ወዲ ፈዳሱር፥ ካብ ብንያም፥ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥ ካብ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥ ካብ ኣሴር፥ ፋግኤል ወዲ ኤክራን፥ ካብ ጋድ፥ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥ ካብ ንፍታሌም፥ ኣኪሬ ወዲ ዔናን።” እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተሸሙ፥ ሹመኛታት ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ነናይ ማይ ቤቶም ኣሕሉቕ ነበሩ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ሰባት ወሲዶም፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ንዅሉ ህዝቢ ኣከብዎ። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤቶም፥ በብሓደ በብስሞም ተቘፂሮም ተፅሓፉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ቘፀሮም፦ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥ ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥ ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም እቶም ሙሴን ኣሮንን ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ መራሕቲ ደቂ እስራኤል ኮይኖም ዝቘፀርዎም እዮም። ነፍሲ ወከፎም ነናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦታት እዮም። ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ ዅሎም፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። ሌዋውያን ግና በብማይ ቤት ኣቦታቶም ምስኣቶም ኣይተቘፀሩን። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉዎ ነበረ፦ “ንነገድ ሌዊ ኣይትቝፀሮም፤ ቍፅሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትሕወሶ። ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ። እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ካብ ሰፈር እንትለዓል፥ ሌዋውያን ይንቀልዎ፤ ክሰፍሩ እንተለዉ ኸዓ ንሳቶም ይትከልዎ። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል። ደቂ እስራኤል ከዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኡ ምስ ዓሌቶም በብኽፍሎም ይስፈሩ። ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።” እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ ኢሉ ተናገሮም፦ “ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጥቓ ሰንደቕ ዕላማኦምን ኣብ ምልክት ነናይ ማይ ቤቶምን ይስፈሩ። ኣብ መንፅር እቲ መራኸቢ ድንኳን ብዙርያኡ ርሕቕ ኢሎም ይስፈሩ።” ሰራዊት ይሁዳ ብወገን ምብራቕ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ። ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ኸዓ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። ቀፂሉ ዝሰፍር ከዓ ነገድ ዛብሎን እዩ፤ ሹም ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። ኵላቶም ካብ ሰፈር ይሁዳ ዝተቘፀሩ በብሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሽዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዓዙ። ሰራዊት ሮቤል ብወገን ደቡብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ሮቤል ከዓ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ። ምስኡ ለጊቦም ከዓ ነገድ ስምኦን ይስፈሩ። ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበረ። ቀፂሉ ነገድ ጋድ ይስፈር፤ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበረ። እቶም ኣብ ሰፈር ሮቤል ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ። ድሕሪኡ ድማ እቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጐዓዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኣቶም ከምኡ ኸዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኦም መምስ ሰንደቕ ዕላማኣቶኦም ይጐዓዙ። ሰራዊት ኤፍሬም ብወገን ምዕራብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኣቶም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ። ምስኡ ለጊቡ ኸዓ ነገድ ምናሴ ይስፈር። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበረ። ቀፂሉ ድማ ነገድ ብንያም ይስፈር፤ ሹም ደቂ ብንያም ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ኣብ ሰፈር ኤፍሬም ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሸሞንተን ሽሕን ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ። ሰራዊት ዳን ብወገን ሰሜን ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱ ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ነበረ። ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ፋግኤል ወዲ ኤኽራን እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ። ቀፂሉ ነገድ ንፍታሌም ይስፈር። ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣኪሬ ወዲ ዔናን እዩ። ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ኣብ ሰፈር ዳን ዝተቘፀሩ ዅሎም ሚእትን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኮይኖም ይጐዓዙ። እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ እዚኣቶም እዮም። ኵሎም በብሰራዊቶም ከዓ ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም። ሌዋውያን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፤ በብሰንደቕ ዕላማኦም ሰፈሩ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ከዓ ተጕዓዙ። በታ እግዚኣብሄር ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝተዛረበላ እዋን፥ ትውልዲ ኣሮንን ሙሴን እዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን፥ እቲ በዅሪ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛርን፥ ኢታምርን እዮም። ስም እቶም ከገልግሉ ዝተቐብኡ ካህናት፥ ንኽህነት ዝቐደሶም ደቂ ኣሮን እዙይ እዩ፦ ናዳብን ኣብዩድን ግና እቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ሓዊ ብምቕራቦም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ውሉድውን ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታምርን ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦኣቶም ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንነገድ ሌዊ ኣምፅኣዮም፤ ምእንቲ ኸገልግልዎ ድማ ናብ ኣሮን ካህን ኣቕርቦም። ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እናገልገሉ ሓላፍነት ኣሮንን ሓላፍነት ህዝቢ እስራኤልን ይፈፅሙ። ኵሉ ኣቑሑ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ስራሕ ንኽሰርሑ፥ ኣብቲ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ኵሉ ኣቑሑ ይሓልዉ፤ ንደቂ እስራኤል ንምግልጋል ዘድሊ ኹሉ ይሓልዉ። ንሌዋውያንውን፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም፤ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ተፈልዮም ንኣይ ከገልግሉ ተውሂቦም እዮም እሞ። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናይ ክህነቶም ኣገልግሎት ክፍፅሙ ሹሞም፤ ካልእ ሰብ እንተ ቐረበ ኸዓ ይቀተል።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኽንዲ እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል መሪፀ ፈልየዮም እየ እሞ፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። በዅሪ ዝኾነ ዅሉ ንኣይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ ዝወቓዕኹላ መዓልቲ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፥ ንኣይ ክኸውን መሪፀ ፈልየዮ እየ፤ ንኣይ ይኹኑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና “ንደቂ ሌዊ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ቍፀሮም፤ ዕድሚኡ ኻብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቍፀሮ” በሎ። ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሩ ቘፀሮም። ጌድሶን፥ ቃዓት፥ ሜራሪ እዮም። ሎቤኒ፥ ስሜኢ እዮም። እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤቶም እዚኣቶም እዮም። ዓሌታት ሊብናውያንን ዓሌታት ሺምዓውያንን ካብ ጌድሶን ዝውለዱ እዮም። ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ፥ ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ። ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ይስፈሩ። ሹም ዓሌታት ጌርሾናውያን ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ። ሓላፍነት ደቂ ጌድሶን፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ነቲ ድንኳንን መኽደኒኡን መደረብታኡን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥ መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን ኣግማድን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ። ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም። ቀዓታውያን መቕደስ ዝሕልዉ ነበሩ። ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሸሞንተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ። ዓሌታት ደቂ ቃዓት ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ይስፈሩ። ሹም ማይ ቤት ዓሌታት ቀዓታውያን ኤሊሳፋን ወዲ ዑዝኤል እዩ። ሓላፍነቶም ታቦት ኪዳንን ጠረጴዛን ቀዋሚ ቐንዲልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑን፥ መጋረጃ ቕድስተ ቅዱሳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ። ሓለቓ ሹመኛታት ሌዋውያን ከዓ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም መቕደስ ክሕልዉ ዝተመረፁ ሓለቓኣቶም ነበረ። ዓሌት ማህላውያንን ዓሌት ሙሳውያንን ካብ ሜራሪ ዝውለዱ እዮም። ንሳቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሽዱሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ። ሹም ዓሌታት ሜራሪ፥ ፁሪኤል ወዲ ዓቢካኢል እዩ። ንሳቶም ነቲ ድንኳን ብወገን ሰሜኑ ይስፈሩ። ደቂ ሜራሪ ዝተመረፅዎ፥ ሓለዋ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ምስ ኵሉ መሳርሒኡን፥ ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ ብዙርያኡን ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን እዩ። ሙሴን፥ ኣሮን ምስ ደቁን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ምብራቑ ይስፈሩ። ንሳቶም ክንዲ ደቂ እስራኤል ንመቕደስ ዝሕልዉ እዮም። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል። ኵሎም ሌዋውያን፥ ከምቲ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቘፀርዎም፥ ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኾኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኵሎም ተባዕትዮ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ንዘለዉ ቝፀሮም፤ ስማቶም ድማ ፀሓፎ። ክንዲ ዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። ክንዲ በዅሪ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ድማ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ይኹና። ኣነ እግዚኣብሄር እየ በሎ።” ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል ቈፀሮም። ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም በዅሪ ተባዕትዮ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኮነ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ክንዲ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ከዓ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ውሰድ። ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ነቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ቍፅሪ ሌዋውያን ሕልፊ ዝኾኑ፥ ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩር ንነፍሲ ወከፍ እናኽፈልካ ተቤዘዎም። ነቲ ኽትብዘዎም ኢልካ ዘኽፈልካዮ ገንዘብ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።” ሙሴ ድማ ኻብቶም ካብ ሌዋውያን ሕልፊ ዝኾኑ፥ ገንዘብ ቤዛ ወሰደ። ካብ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ፥ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ቅርሺ ብሩር ወሰደ። ከም ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ነቲ ገንዘብ ቤዛ፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ደቂ ቃዓት በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም። ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ቝፀሮም” በሎ። “ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ናይቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ዝኾነ ነገራት፥ ስራሕ ደቂ ቃዓት እዙይ እዩ፤ እቲ ሰፈር እንትለዓል፥ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ነቲ ዝጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፤ ነቲ ታቦት ኪዳን ከዓ ብእኡ ይኽደንዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይግበሩሉ፤ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። መፃውራትውን የእትዉሉ። “ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ጠረጴዛ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ። ኣብኡ ኸዓ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን እቶም ንመስዋእቲ መስተ ዝኾኑ ዅስኵስትታትንውን ይስርዑ፤ እቲ ዅልሻዕ ኣብኡ ዘንብርዎ ሕብስቲ ቝርባን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን። ኣብ ልዕሊ እዙይ ድማ ቐይሕ ግምጃ ይዘርግሑሉ፤ ንእኡ ኸዓ ብቘርበት እንስሳ ዝተሰርሐ መኽደኒ ገይሮም ይኽደንዎ፤ መፃውራትውን የእትዉሉ። “ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከዓ፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ነቲ መብራህቱን መዀስተሪኡን መዋህለሊ ርስሓቱን ነቲ ዘይቲ ዝሕዙሉ ኣቑሑኡን ይኽደኑ። ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ ድማ ብናይ እንስሳ ቘርበት ገይሮም ይጠቕልልዎ፤ ኣብ መፆሪ ከዓ ይግበርዎ። “ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ገይሮም ይሸፍንዎ፤ መፃውራቱ ኸዓ የእትዉሉ። “ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ብሰማያዊ ዓለባ ይጠቕልልዎ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ኸዓ ይሸፍንዎ፤ ኣብ መፆሪውን ይግበርዎ። “ነቲ ሓሙዅሽቱ ድማ ኻብ መሰውኢ የወግድዎ፤ ቀይሕ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። ኵሉ እቲ ዘገልግሉሉ ኣቑሑ ኸዓ ፅንሃሃትን መሰንቀሪ ስጋን መፅሓሪያታትን ውንጭሕትን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይዘርግሑሉ፤ መፃውሩ ኸዓ የእትዉሉ። “ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ። “ሓላፍነት ኣልኣዛር፥ እቲ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ነቲ ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ዘይትን ነቲ ምዑዝ ዕጣንን ነቲ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ እኽልን ዘይቲ ቕብኣትን፥ ንዅሉ ድንኳንን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፥ ንመቕደስን ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ “ንዓሌታት ቃዓት ካብ ማእኸል ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም፤ ናብ ጥቓ እቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ነገር ብምቕራብ ከይሞቱ ኸምዙይ ግበሩሎም፤ ምእንቲ ተቐሲፎም ከይሞቱ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ሰስራሖምን ፆሮምን የመልክትዎም። ግና ምእንቲ ኸይሞቱስ፥ ነቲ ቕዱስ ነገር ንቕፅበት ዓይኒ እኳ እንተ ኾነ ኣትዮም ኣይርኣይዎ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ “ንደቂ ጌድሶን በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን ቍፅሮም ውሰድ። ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም ቍፀሮም” በሎ። “ዓሌታት ጌድሶን ዘገልግልዎን ዝፆርዎን እዙይ እዩ፦ ዓለባታት እቲ መራኸቢ ድንኳንን መኽደኒኡን፥ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝድረብ ቈርበት እንስሳ ባሕርን፥ እቲ መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥ መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን፥ ገመዳቱን ኵሉ ኣቑሑ ኣገልግሎቶምን ይፁሩ። ከምዙይ ገይሮም ኵሉ ኣገልግሎቶም ይፈፅሙ። ደቂ ጌድሶን ኵሉ ኣገልግሎቶም፥ ፆሮም ኮነ ስራሖም፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ክፆርዎ ዘለዎም ኵሉ ይቈፃፀርዎም። ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ጌድሶን እዙይ እዩ። ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ይኹን። “ንደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም። ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቍፀሮም። ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ እንተለዉ ዝፍፅምዎ ተግባራት እዙይ እዩ፦ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥ ኣዕምዲ እቲ ብዙርያኡ ዘሎ ቕፅርን፥ ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምስቲ ዝዓዩሉ ዅሉን ይፁሩ። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ዝፆሮ ኣቕሓ ፀሓፎ። ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ሜራሪ እዙይ እዩ። ኵሉ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።” ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ንደቂ ቀዓታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን፥ ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ንዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቈፀርዎም። ክልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ድማ ኾኑ። እቶም ካብ ዓሌታት ቃዓት ዝተቘፀሩ ኣብ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም። እቶም ካብ ደቂ ጌድሶን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም፥ ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ። እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌድሶን ዝተቘፀሩ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም። እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥ ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኣትዉ ዅሎም፥ ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ዝተቘፀሩ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴን ኣሮንን ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም። እቶም ሙሴን ኣሮንን ሹመኛታት ደቂ እስራኤልን፥ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝቘፀርዎም ኵሎም ሌዋውያን፥ ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ብምግልጋልን ብምፅዋርን ክሰርሑ ዝመፁ ዅሎም፥ ሸሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ነበሩ። ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቘፀሩ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ሕማም ለምፂ ንዘለዎ ዅሉን፥ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ንዝፈስሶ ዅሉን፥ ሬሳ ብምንካእ ንዝረኸሰ ዅሉን፥ ካብ ሰፈር ከውፅእዎ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። ተባዕታይ ኮነ ኣንስተይቲ፥ ነቲ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዝሓድሮ ዘለኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅእዎም በሎ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ካብቲ ሰፈርውን ኣውፅእዎም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተናገሮ ገበሩ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ ንደቂ እስራኤል፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክተሓላለፍ ሰብ ዝሰርሖ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቱይ በደል እንተ ኾነ፥ ሓጢኣት ብምግባሩ ይነሳህ። ነቲ ዝወሰዶ ይመልስ፤ ሓምሻይ ኢድውን ወሲኹ፥ ነቲ ዝበደሎ ይሃብ። ግና እቲ ዝተበደለ ሰብ እንተ ሞተ፥ ወራሲ ዘይብሉ ድማ እንተ ኾነ፥ እቲ ገንዘብ ካሕሳ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን ይኹን። ምስቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝሕረድ ማጕላ ገይሩ ንኻህን ይሃቦ። ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ናብ ካህን ዘምፅእዎ ቅዱስ መባእ ንእኡ ይኹን። ኵሉ እቲ ዝኾነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን፤ ኵሉ እቲ ሰብ ንኻህን ዝህቦ ድማ ነቲ ኻህን ይኹን በሎም። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፥ ብምዝማዋ ኸዓ እንተ በደለቶ፥ ምስ ካልእ ሰብኣይ እንተ ደቂሳ፥ ምስክር ስለ ዘይተረኽባ፥ ብሕቡእ እንተ ረኸሰት ስለ ዘይተትሐዘት፥ እዙይ ካብ ዓይኒ ሰብኣያ እንተ ተኸወለ፥ ብሕቡእ ድማ እንተ ረኸሰት፥ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ሰበይቱ ብምርካሳ ድማ እንተ ቐንአ፥ ወይ ንሳ ኸይረኸሰት እንተላ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ንሰበይቱ ኸዓ እንተ ጠርጠራ፥ ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምፅኣያ። ብዛዕባኣ ኸዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ስገም የምፅእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ እዩሞ፥ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ኣይግበረሉ። እቲ ኻህን ድማ ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን በቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፤ ካብቲ ኣብ ምድሪ ቤት ድንኳን ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸዓ ኣብቲ ማይ ይግበር። እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ርእሳ ይቕልዓያ፤ ነቲ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ፥ ኣብ ኢዳ የትሕዛ፤ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ከዓ ኣብ ኢዱ ይሓዞ። ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ መርገም ብዘስዕብ ማሕላ የምሕላ፤ ከምዙይ ከዓ ይበላ፦ “ምስ ካልእ ሰብኣይ ዘይደቀስኪ እንተ ዄንኪ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንተ ዄንኪ፥ እዝ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኺ። ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፥ እንትርፊ ምስ ሰብኣይኪ ምስ ካልእ ደቂስኪ እንተ ዄንኪ፥ እግዚኣብሄር ማህፀንኪ ኸም ዝዅምተር፥ ከብድኺ ኸም ዝንፋሕ ብምግባር፥ ኣብ ማእኸል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ። ከብድኺ ኽነፍሕ ሰለፍኪ ኸዓ ኸማስን፥ እዝ መርገም ዘምፅእ ማይ እዙይ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ” ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ “ኣሜን፥ ኣሜን” ትበል። እቲ ኻህን ነዝ መርገም እዙይ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፎ፤ ኣብቲ መሪር ማይ ኣሊኹ ኸዓ ይደምስሶ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ የስትያ፤ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ድማ ምስ ኣተወ ኽመርራ እዩ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፤ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ፤ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ። ሽዑ እቲ ኻህን ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንመዘከርታ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ ብድሕሪኡ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ። ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸዓ፥ ንሳ ረኺሳ፥ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ኾይና፥ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ክመርራ እዩ፤ ከብዳ ይንፋሕ፥ ማህፀና ይዅምተር፥ ሰለፋውን ይወድቕ፤ ኣብ ማእኸል ህዝባ ድማ መራገሚ ኽትከውን እያ። እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት ንፅህቲ እንተ ኾይና ግና ሓራ እያ፤ ውላድ ከዓ ኽትረክብ እያ። ሕጊ ቕንኣት እዙይ እዩ፦ ሰበይቲ ንሰብኣያ ጠሊማ እንተ ረኸሰት፥ ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ብሰበይቱ ኸዓ እንተ ቐንአ፥ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ነዝ ዅሉ ሕጊ እዙይ ይፈፅም። እቲ ሰብኣይ ከዓ ኻብ በደል ንፁህ ይኸውን፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ረኺሳ እንተ ኾይና በደላ ትፀውር። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥ ካብ ወይንን ካብ ዘስክር መስተን ይከልከል። ዝመፀፀ ወይኒ ኾነ ወይ ዝመፀፀ ዘስክር መስተ ኣይስተ፤ ዝኾነ ኻብ ወይኒ ዝተፀምቈ ኣይስተ፤ ካብ ወይኒ ድማ ብሸዊቱ ኾነ ወይ ብንቑፁ ኣይብላዕ። በቲ ናዝራዊ ኾይኑ ዝነብረሉ እዋን፥ ፍረኡ ኾነ ገፈሉ፥ ወይ ዝኾነ ይኹን ካብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ። በተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ኣይላፀ፤ ፀጕሪ ርእሱውን ኣይቈረፅ። እተን ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ ቅዱስ ይኹን፤ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ የንውሕ። በተን ንእግዚኣብሄር ዝተፈለየለን ኵለን መዓልቲታት ናብ ዝሞተ ሰብ ኣይቕረብ። እቲ “ናዝራዊ እየ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ዝተመባፅዖ ፀጕሪ ኣብ ርእሱ ስለ ዘሎ፥ ብሞት ኣቦኡ ወይ እኖኡ ወይ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ኣይርከስ። ብዅለን እተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ። ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተሞ፥ እቲ ብመብፅዓ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ድማ እንተ ረኸሰ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ርእሱ ይላፂ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይነፅህ። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ኣናእሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእ። እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ኽንዲ ስርየት ሓጢኣት ይሰውኣያ፤ ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣያ። ንምዉት ብምንካኡ ረኺሱ እዩ እሞ እቲ ኻህን የስተስርየሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ርእሱ ይቐድስ። ከም ብሓድሽ ከዓ ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይወፈ፤ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ የምፅእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፥ እተን ቀዳሞት መዓልቲታት ከንቱ እየን። ሓደ ናዝራዊ፥ እተን ናዝራዊ ኾይኑ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ምስ መልኣ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእዎ። ንሱ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት እትስዋእ ጐደሎ ዘይብላ፥ ዓመት ዝገበረት በጊዕ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ፥ ምስኡ ኸዓ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታትን፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ዝሓዘ ሓደ መሶብ፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። እቲ ኻህን ከዓ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈን ንዝቃፀል መስዋእትን ገይሩ ኸዓ ይሰውኣዮ። ነቲ ማጕላ ድማ ምስቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ዘይበዅዐ እንጀራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ገይሩ ይሰውኣዮ፤ ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ይሰውእ። እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይላፅዮ፤ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ ድማ የእትዎ። ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ምስ ላፀዮ፥ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ማጕላ ይውሰዳ፤ ካብቲ መሶብ ከዓ ሓደ ዘይበዅዐ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብሮ። ሽዑ እቲ ኻህን ከምቲ እናወዝወዝካ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ይወዝውዞ። እዙይ ምስቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ፍሉይ እግርን ነቲ ኻህን ይኹን። ድሕሪዙይ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ኽሰቲ ይኽእል። ሕጊ ናዝራውያን እዙይ እዩ። ሓደ ናዝራዊ ግና እንትርፊ እቲ ዝተመባፅዖ፥ ካልእ ነገር ብመብፅዓ እንተ ኣተስፈወ፥ መብፅዓኡ ይፈፅም። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል እንትትባርኽዎም ከምዙይ በልዎም ኢልካ ንኣሮንን ንደቁን ንገሮም፦ ‘እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሓሉኻን፤ እግዚኣብሄር ገፁ የብርሀልካ፤ ይራህርሀልካውን። ሰላም ድማ ይሃብካ።’ “ከምዙይ ገይሮም ስመይ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል የንብሩ፤ ኣነውን ክባርኾም እየ።” ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነቲ ድንኳን ተኺሉ ምስ ወድአ፥ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፥ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቑሑኡንውን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን። እቶም ኣሕሉቕ ነገድ ዝኾኑ፥ ሹመኛታት እስራኤልን ዋናታት ማይ ቤትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ቍፁራት ዝነበሩን ውህብቶ ኣቕረቡ። ውህብቶኦም ሽዱሽተ ኽዱናት ሰረገላታትን ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑርን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ ናብ ቅድሚ መሕደሪ ኣቕረብዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ንመስርሒ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መባእ ካብኣቶም ተቐቢልካ፥ ነቶም ሌዋውያን ንነፍሲ ወከፎም ከከም ኣገልግሎቶም ሃቦም” በሎ። ሙሴ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ኣብዑርን ወሲዱ ነቶም ሌዋውያን ሃቦም። ንደቂ ጌድሶን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላታትን ኣርባዕተ ኣብዑርን ሃቦም። ንደቂ ሜራሪ ኸዓ ኸም መጠን ኣገልግሎቶም፥ ኣርባዕተ ሰረገላታትን ሸሞንተ ኣብዑርን ሃቦም። እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ትሕቲ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ዘገልግሉ እዮም። ንደቂ ቃዓት ግና፥ ኣገልግሎት መቕደስ ናታቶም እዩሞ፥ ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ ነበሩሞ፥ ሙሴ ሓደ እኳ ኣይሃቦምን። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመባረኺኡ ዝኸውን መባእ ኣምፅኡ፤ ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኸዓ ኣቕረቡ። እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እቲ ናይ መሰውኢ መባረኺ መባኦም፥ ኣሕሉቕ በብመዓልቶም የቕርቡ” ኢሉ ኣዚዝዎ ስለ ዝነበረ እዩ። እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዙይ እዩ። ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥ ሹም ደቂ ይሳኮር ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዙይ እዩ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥ ሹም ደቂ ዛብሎን ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዙይ እዩ። ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር እዙይ እዩ። ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ፥ ሹም ደቂ ስምኦን ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዙይ እዩ። ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥ ሹም ደቂ ጋድ ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል እዙይ እዩ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ሹም ደቂ ኤፍሬም ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዙይ እዩ። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር፥ ሹም ደቂ ምናሴ ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዙይ እዩ። ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥ ሹም ደቂ ብንያም ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዙይ እዩ። ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥ ሹም ደቂ ዳን ነበረ። ንሱ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዙይ እዩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ፋግኤል ወዲ ዖክራን፥ ሹም ደቂ ኣሴር ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ፋግኤል ወዲ ዖክራን እዙይ እዩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣኪሬ ወዲ ዔናን፥ ሹም ደቂ ንፍታሌም ነበረ። ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኣኪሬ ወዲ ዔናን እዙይ እዩ። በታ መሰውኢ ዝተቐብአላ መዓልቲ ሹመኛታት እስራኤል ንመቐደሲኡ ክኸውን ዘቕረብዎ መባእ ኸምዙይ እዩ፦ ዓሰርተ ኽልተ ፃሕሊ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ። ሓደ ፃሕሊ ብሩር ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም፥ ሓደ ውንጭሕቲ፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝምዘን ነበረ። ኵሉ ኣቑሑ ብሩር ብሚዛን መቕደስ ዕስራን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ነበረ። እተን ዕጣን ዝመልኣ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ ነንፅዋዕ ብሚዛን መቕደስ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝምዘና ነበራ። ኵለን እተን ፅዋዓት ወርቂ ኸዓ ዕስራን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ኮና። ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ዓሰርተ ኽልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኾኑ። ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽሊ ነበረ። ስለ ሓጢኣት ዝስውኡ ኸዓ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ነበሩ። ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዓት፥ ስሳ ማጓሉ፥ ስሳ ዲበላታት፥ ዓመት ዝገበሩ ስሳ ጡበታት ኣባጊዕ ነበሩ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመቐደሲኡ ዝተውሃበ መባእ እዙይ ነበረ። ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን ዘሎ መኽደኒ መስተስረዪ፥ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል እቲ ድምፂ ኽዛረቦ ይሰምዕ ነበረ። ንሱ ድማ ይዛረቦ ነበረ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦ፦ ነተን ሸውዓተ ቐናዲል ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ክተቐምጠን እንተለኻ ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ግበር።” ኣሮን ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ፤ ነተን ቀናዲል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ገበረን። እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ካብ እግሩ ኽሳዕ ዕምበባኡ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርኣዮ ምስሊ ዝተገብረ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ወሲድካ ኣንፅሃዮም። ከምዙይ ጌርካ ኣንፅሃዮም፦ እቲ ሓጢኣት ዘንፅህ ማይ ንፀገሎም፤ ኵሉ ሰብነቶም ይላፀዩ፤ ክዳውንቶምውን ይሕፀቡ፤ ይንፅሁውን። ድሕሪዙይ ሓደ ዝራብዕን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ናይ እኽሊ መስዋእትን ይውሰዱ። ንስኻ ኸዓ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ኻልእ ዝራብዕ ውሰድ። ንሌዋውያን ድማ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦም፤ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልውን ኣክቦ። ንሌዋውያን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊኣቶም የንብሩሎም። ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፥ ንስራሕ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ድልዋት ምእንቲ ክኾኑ፥ ደቂ እስራኤል ዝውፍይዎ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ናብ እግዚኣብሄር የቕርቦም። “ሌዋውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዓት ኣእዳዎም የንብሩ፤ ንሌዋውያን ምእንቲ መስተስረዪ ኸዓ፥ እቲ ሓደ ንሓጢኣት መስዋእቲ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርብ። ንሌዋውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ደቁን ኮይኖም ከገልግሉ ኣቕርቦም፤ ንኣይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኸዓ ወፍዮም። ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ክኾኑ ኸምዙይ ጌርካ ኻብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፍለዮም።” ድሕሪዙይ “ንሌዋውያን ምስ ኣንፃህኻዮምን፥ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ምስ ወፈኻዮምን፥ ንኣይ ምእንቲ ኸገልግሉኒ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይእተዉ። እቶም ንኣይ ተፈልዮም ዝተውሃቡ እስራኤላውያን ንሳቶም እዮም። ክንዲ ዅሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ንኣይ ፈልየዮም እየ። ኣብ ደቂ እስራኤል ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ናተይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ኣብ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ ዝቐተልኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስክዎም። ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል ከዓ ንሌዋውያን ወሲደ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም መዓት ምእንቲ ኸይወርዶም፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክንዲ ደቂ እስራኤል ከገልግሉ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ኸስተስርዩሎም፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፈልየ ንኣሮንን ንደቁን ውህብቶ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።” ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን ከምኡ ገበሩሎም፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ደቂ እስራኤል ገበሩሎም። ሌዋውያን ከዓ ካብ ሓጢኣት ነፅሁ፤ ክዳውንቶምውን ሓፀቡ። ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮም። ኣሮንውን ምእንቲ ኽነፅሁ ኣስተስረየሎም። ድሕሪዙይ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ኣተዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ከምኡ ገበሩሎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ሕጊ ሌዋውያን እዙይ እዩ፦ ሌዋውያን፥ ዕድመኣቶም ካብ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊ ናብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ይእተዉ። ዕድመኣቶም ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንላዕሊ ኸዓ ኻብ ስራሕ ኣገልግሎት የዕርፉ፤ ድሕሪኡውን ኣየገልግሉ። እቲ ዝተውሃቦም ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነሕዋቶም ይሓግዝዎም፤ ንሳቶም ግና ኣየገልግሉ። ንሌዋውያን ከምዙይ ጌርካ ሓሓላፍነቶም ሃቦም።” ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናይታ ኻልአይቲ ዓመት፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዜኡ ፋሲካ ይግበሩ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ፥ ክመሲ እንተሎ ፋሲካ ኣብዕሉ። ከም ኵሉ ሕግጋቱን ከም ኵሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።” ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ነገሮም። ንሳቶም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ክመሲ እንተሎ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ፋሲካ ኣብዓሉ። ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ። ግና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸሱ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲካ ኸብዕሉ ዘይከኣሉ ሰባት ነበሩ። ንሳቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን መፂኦም፥ “ንሕና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸስና ሰባት ኢና፤ በታ ምድብቲ ጊዜ ምስ ደቂ እስራኤል ኴንና እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ መባእ ከይነቕርብ ዝተኸልከልና ስለ ምንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ብዛዕባኻትኩም እንታይ ከም ዝእዝዝ ክሰምዕስ ፅንሑ” ኢሉ መለሰሎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ትውልድኹም ብምኽንያት ምዉት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መንገዲ እንተሎ፥ ንእግዚኣብሄር ፋሲካ ኸብዕል እንተ ደለየ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኽመሲ እንተሎ የብዕል። ምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ። ካብኡ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ሓደኳ ኣየሕድሩ፤ ዓፅሙ ኸዓ ኣይስበሩ። ከምቲ ዅሉ ሕጊ ዝእዝዞውን ፋሲካ ይግበሩ። ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ። ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና፥ ፋሲካ ንእግዚኣብሄር ከብዕል እንተ ደለየ፥ ከምቲ ናይ ፋሲካ ሕግን ስርዓትን ገይሩ የብዕል። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም። በታ እቲ መሕደሪ ዝተተኽለላ መዓልቲ ነቲ ድንኳን ምስክር ደመና ሸፈኖ። ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ድማ ኸም ደመና ሓዊ መሲሉ ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ነበረ። ኵልሻዕ ከምኡ ነበረ፤ ብመዓልቲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ እቲ ደመና ሓዊ ይሽፍኖ ነበረ። እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተልዓለ፥ ደቂ እስራኤል ይጐዓዙ ነበሩ፤ እቲ ደመና ኣብ ዝቖመሉ ኸዓ ደቂ እስራኤል ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ። ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጐዓዙ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ቖመ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይፀንሑ ነበሩ። እቲ ደመና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ፀንሐ፥ ደቂ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ይፅበዩ ስለ ዝነበሩ ኣይጐዓዙን ነበሩ። ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ንቑሩብ መዓልቲታት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ። ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኻብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንግሆ ምስ ተልዓለ ድማ ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ ደመና ምስ ተልዓለ፥ ለይቲ ወይ መዓልቲ እንተይበሉ ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ ድንኳን ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሓደ ወርሒ፥ ወይ ሓደ ዓመት እንተ ፀንሐ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይፀንሑ ነበሩ እምበር ኣይጐዓዙን ነበሩ። ምስ ተልዓለ ግና ይጐዓዙ ነበሩ። ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ነበሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሕልውዎ ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ብሩር ቀጥቂጥካ ኽልተ መለኸት ንኣኻ ስራሕ። ነቲ ማሕበር ንምፅዋዕ፥ ካብ ሰፈሮም ንምጕዓዝ ይኹነልካ። ክልቲኡ መለኸት እንትንፋሕ፥ ኵሉ ማሕበር እስራኤል ናባኻ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይተኣከቡ። ሓደ መለኸት ጥራሕ እንትንፋሕ ግና እቶም ሹመኛታት፥ ኣሕሉቕ ዓሌት ደቂ እስራኤል ናባኻ ይተኣከቡ። መለኸት ብዓብዪ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ድማ ብወገን ምብራቕ ሰፊሮም ዘለዉ ይለዓሉ። ካልኣይ ልዕል ብዝበለ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ከዓ፥ ብወገን ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይጐዓዙ። ንጕዕዞ መለኸት ይንፍሑ። እዝ ህዝቢ ምእንቲ ኽእከብ መለኸት ንፍሑ፤ ግና ዓው ኣይተብልዎ። “እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ከዓ ደቂ ኣሮን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዘለኣለማዊ ሕጊ ይኹነልኩም። ኣብ ምድሪኹም፥ ምስቲ ብግፍዒ ዝመፀኩም ፀላኢ ኽትዋግኡ እንተለኹም፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ መለኸት ንፍሑ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትዝከሩ ኢኹም፤ ካብ ፀላእትኹም ከዓ ክትድሕኑ ኢኩም። ከምኡውን ብመዓልቲ ሓጐስኩም፥ ብምዱብ በዓላትኩምን በቲ ኣብ ሰርቀ ወርሒ ዝብዕል በዓላትኩምን፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ምስጋናኩምን ክተቕርቡ እንተለኹም መለኸት ንፍሑ፤ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም መዘከርታ ክኾኑኹም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።” ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸምዙይ ኮነ፥ እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተልዓለ። ሽዑ ደቂ እስራኤል ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዓሉ፤ እቲ ደመናውን ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ቆመ። ከምቲ ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ድማ፥ ተጕዓዙ፤ እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ዝነበሩ ሰራዊት በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ንቕድሚት ተጕዓዙ፤ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ይሳኮር ከዓ ናትናኤል ወዲ ሶገር ነበረ። ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ኬሎን ነበረ። ነቲ ድንኳን ነቐልዎ፤ ደቂ ጌድሶንን ደቂ ሜራርን ድማ ነቲ ድንኳን ፆይሮም ተጕዓዙ። እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ሮቤል ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ብድሕሪኦም ተጕዓዙ፤ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር ነበረ። ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከዓ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሰዳይ ነበረ። ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤሊሳፍ ወዲ ራጉኤል ነበረ። ቀዓታውያን ድማ ኣቑሑ መቕደስ ፆይሮም ተጕዓዙ፤ ንሳቶም ክሳዕ ዝመፁ ኸዓ እቲኣቶም ነቲ ድንኳን ተኸልዎ። እቶም ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ከዓ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ። ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር ነበረ። ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከዓ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን ነበረ። እቶም ኣብ ሰፈር ነገድ ደቂ ዳን ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም በብኽፍሎም፥ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኮይኖም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኣኪዔዘር ወዲ ኣሚሳዳይ ነበረ። ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ፋግኤል ወዲ ኤክራን ነበረ። ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከዓ ኣኪሬ ወዲ ዔናን ነበረ። ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ክጕዓዙ እንተለዉ በዝ ኸምዙይ ተጕዓዙ። ሙሴ ኸዓ ንሓው ሰበይቱ፥ ንሖባብ ወዲ ዮቶር ምድያማዊ “ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዘተስፈወና ምድሪ ንኸይድ ኣለና። እግዚኣብሄር ንኣና ንእስራኤላውያን ፅቡቕ ኣተስፍዩና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ፅቡቕ ክንገብረልካ ኢና እሞ ምሳና ኺድ” በሎ። ንሱ ድማ፥ “ኣይከይድን፤ ናብ ሃገረይን ናብ ህዝበይን ክኸይድ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ “በይዛኻ ኣይትሕደገና፤ ኣብ ምድረ በዳ ኣበይ ከም እንሰፍር ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒውን ክትኮነልና ኢኻሞ ኣይትሕደገና፤ ምሳና እንተ ኼድካ፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝገብረልና ዅሉ ሰናይ ነገር ንኣኻ ኽንገብረልካ ኢና” በሎ። ካብ እምባ እግዚኣብሄር ተልዒሎም መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጕዓዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ንሳቶም ዝዓርፉላ ቦታ ኽደልየሎም በተን ሰለስተ መዓልቲ እቲኣተን ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ። ደመና እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ሰፈር ካብ ዝነቐሉሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ። ታቦት ክለዓል እንተሎ፥ ሙሴ “ኦ ጐይታ! ተስእ፤ ፀላእትኻ ኸዓ ፋሕ ይበሉ። እቶም ዝፀልኡኻ ድማ ኻብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ። እቲ ታቦት ክዓርፍ እንተሎ ኸዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ናብቶም እልፊ ኣእላፋት ዝኾኑ እስራኤል ተመለስ” ይብል ነበረ። እቶም ህዝቢ ክፉኣት ኮይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣጕረምረሙ። እግዚኣብሄር ሰሚዑ ድማ ተቘጥዐ፤ ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ነደደ፤ ነቲ ወሰን ሰፈር ድማ በልዐ። እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ ምስ ኣእወዩ፥ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ጠፍአ። ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኣቶም ስለ ዝነደደ ድማ፥ እታ ቦታ እቲኣ ተቤራ እቲ ኣብ መንጎኣቶም ዝነበረ ዝተፈላለየ ህዝቢ ህርፋን ሓዞ፤ ደቂ እስራኤልውን ይበኽዩ ነበሩ፤ “እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? በሉ። እቲ ኣብ ግብፂ ብኸምኡ እንበልዖ ዝነበርና ዓሳ፥ ዱባ፥ ብርጭቕ፥ ዝኩኒ፥ ቀይሕ ሽጕርቲ፥ ፃዕዳ ሽጕርቲ ይዝከረና ኣሎ። ሕዚ ግና ሰብነትና ነቐፀ፤ ዓይንናውን ብዘይ እዝ መና እዙይ ዝሪኦ የለን” በሉ። እቲ መና ኸዓ ኸም ፍረ ፃቕዳ ነበረ፤ ትርኢቱ ድማ ኸም ትርኢት እንዳዲዕ ነበረ። እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ። ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይወቕጥዎ፤ ኣብ ቍራዕ የብስልዎ፤ ቅጫውን ይገብርዎ ነበሩ። ጣዕሙውን ብዘይቲ ኸም ዝተሰንከተ ቕጫ ይጥዕም ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ እንትወርድ፥ መና ኸዓ ኣብልዕሊኡ ይወርድ ነበረ። ሙሴ ድማ፥ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኖም እንትበኽዩ ሰምዐ። ቍጥዓ እግዚአብሔር ከዓ የመና ነደደ፤ ሙሴውን ተቘጥዐ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ንኣይ ንባርያኻ ኣኽበድካለይ? ሸኽሚ እዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣብ ርእሰይ ዘንበርካ? ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ? ‘መጕዚት፥ ንዝጠቡ ህፃን ከም እትፀውር፥ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኽሳዕ ዘእትዎም ኣብ ሕቝፍኻ ፁሮም’ እትብለንስ፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ኣነዶ ጠኒሰዮ? ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ? ኣብ ቅድመይ እናበኸዩ ‘እንበልዖ ስጋ ሃበና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ዝህቦ ስጋኸ ኻበይ ክረክብ እየ? ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ፥ ኣነ በይነይ ክፆሮ ኣይክእልን እየ እሞ፥ እምብዛ ኸቢዱኒ ኣሎ። ከምዙይ እትገብረኒ ኻብ ኮንካ ነቲ መከራ ኸይርኢ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ቕተለኒ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም፥ ሰብዓ ሰባት ኣክበለይ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣምፅኣዮም፤ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም። ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸንብር እየ። ንስኻ በይንኻ ኸይትፆሮ ድማ፥ ፆር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኽፆሩ እዮም። “ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ፅባሕ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ ንፅሁ፤ እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? ኣብ ግብፂ ፅቡቕ ነበርና፤ እናበልኩም ብምብካይ ዘጕረምረምኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ፤ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኽህበኩም እዩ እሞ ኽትበልዑ ኢኹም። ሓደ መዓልቲ ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኮነን እትበልዑ፤ ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዝወፅእ እሞ ኽሳዕ እትፀልእዎ ወርሒ ምሉእ ክትበልዑ ኢኹም። እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕኩምዎን፥ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ወፃእና? እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኸኹምን እዩ’ በሎም” በሎ። ሙሴ ኸዓ፥ “እዝ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዘለኹ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር እዩ። ንስኻ ኸዓ ‘ወርሒ ምሉእ ዝበልዕዎ ስጋ ኽህቦም እየ’ ትብል ኣለኻ። ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን እንተ ዝሕረዳ ምኣኸላኦምዶ? ዅሉ ዓሳ ባሕሪ እንተ ዝእከብከ መፅገቦምዶ?” በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢደይ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓፃር እያ? እቲ ዝብሎ ዝፍፀም እንተ ኾይኑ ወይ ዘይፍፀም እንተ ኾይኑ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ። ሙሴ ድማ ወፂኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ነቶም ህዝቢ ነገሮም። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰባት ኣኪቡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም። እግዚኣብሄር ከዓ ብደመና ወሪዱ ንሙሴ ተዛረቦ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣሕደረ። እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኣቶም ምስ ዓረፈ ድማ ተነበዩ፤ ደጊሞም ግና ኣይተናገሩን። ኤልዳድን ሞዳድን ዝበሃሉ ኽልተ ሰብኡት፥ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ። ንሳቶም ካብቶም ዝተፅሓፉ ነበሩ፤ ናብ ድንኳን ግና ኣይኸዱን ነበሩ፤ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ኣብ ሰፈር እንተለዉ ኸዓ ትንቢት ተናገሩ። ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩ፥ “ኤልዳድን ሞዳድን ኣብ ሰፈር ኮይኖም ይንበዩ ኣለዉ” ኢሉ ንሙሴ ነገሮ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኸዓ፥ “ጐይታይ ሙሴ፥ ከልክሎም” ኢሉ ተዛረበ። ሙሴ ግና “ንኣይ ዲኻ ቐኒእኻ? እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እንተ ዘንብር፥ ኵሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከዓ ነቢያት እንተ ዝኾኑሞ መን ምሃበ” በሎ። ሙሴን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ናብ ሰፈር ተመለሱ። ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወፀ፤ ካብ ባሕሪ ኸዓ ብርንሂጎታት ኣምፂኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል በዙይ፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል ድማ በቱይ፥ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር በተኖም፤ ምብራኹ ኸዓ ኻብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ። እቲ ህዝቢ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ መዓልትን ለይትን፥ ንፅባሒቱውን ምሉእ መዓልቲ ብርንሂጎታት ኣከበ። እቲ ዝወሓደ ዝኣከበ፥ ዓሰርተ ዅንታል ኣከበ። ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ድማ ሰጥሕወን። እቲ ስጋ ገና ኣብ ኵርምቶም እንተሎ እንተይሓየኽዎ ኸዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ነደደ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ወቕዐ። ነቶም ህርፋን ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ስለ ዝቐበርዎም፥ እታ ቦታ እቲኣ “መቓብር ህርፋን” ተብሃለት። እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ “መቓብር ህርፋን” ናብ ሓፄሮት ተጕዓዙ፤ ኣብኣ ኸዓ ሰፈሩ። ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረሞ፥ ማርያምን ኣሮንን፥ ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጲያዊት ሰበይቲ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ። “እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራሕ ድዩ ዝተዛረበ? ብኣናስ ኣይተዛረበን ድዩ?” እናበሉውን ተዛረቡ። ነዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ሰምዖ። ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን “ሰለስቲኹም ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ውፁ” በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ወፁ። እግዚኣብሄር ከዓ ብዓምዲ ደመና ወረደ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንማርያምን ፀውዖም፤ ክልቲኦም ከዓ ቕርብ በሉ። “ናብ ዘረባይ ኣድምፁ፦ ኣብ ማእኸልኩም ነቢይ እንተ ሃልዩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለፀሉ፤ ወይ ከዓ ብሕልሚ እዛረቦ። ምስ ባርያይ ሙሴ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ኣብ ኵሉ ቤተይ እሙን እዩ። ምስኡ ኣፍ ንኣፍ እየ ዝዛረብ፤ ብስዉር ዘይኮነ ብግልፂ እየ ዝዛረቦ እምበር ብምስላ ኣይኮነን፤ ምስሊ እግዚኣብሄርውን ይርኢ። ከመይከ ኣብ ልዕሊ ባርያይ ሙሴ ንምዝራብ ዘይፈራሕኹም?” እግዚኣብሄር ከዓ ተቘጢዑ ሓደጎም። እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣግለሰ፤ እንሆ ኸዓ ንማርያም ለምፂ ሓዛ፤ ከም በረድውን ፃዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ማርያም ግልፅ በለ፤ እንሆ ኸዓ ሕማም ለምፂ ሒዝዋ ነበረ። ሽዑ ኣሮን ንሙሴ “ጐይታይ! ነቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮ በደል በይዛኻ ኣይትቝፀረልና። ንማርያም ከዓ ብምዉቱ ኸም ዝተወልደ፥ ካብ ከርሲ እኖኡ ኽወፅእ እንተሎ ፍርቂ ሰብነቱ ኸም ዝተበልዐ ኽትከውን ኣይትሕደጋ” በሎ። ሙሴ ድማ “ኦ ኣምላኽ፥ ክተሕውያ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣቦኣ ኣብ ገፃ እንቱፍ ኢሉላ እንተ ዝኸውን፥ ሸውዓተ መዓልቲዶ ኣይምሓፈረትን ነይራ? ኣብ ወፃኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ትተዓፆ፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሰፈር ትእቶ” በሎ። ማርያም ድማ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ተዓፀወት። እቲ ህዝቢ ኸዓ ማርያም ክሳዕ እትምለስ፥ ኣይተጕዓዘን። ብድሕሪኡ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓፀሮት ተልዒሉ ተጕዓዘ፤ ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ድማ ሰፈረ። እግዚኣብሄር ንሙሴ “ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ዝስልሉ ሰባት ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓድሓደ ሰብ ስደድ። ኵሎም ካብቶም ሹመኛታቶም ይኹኑ” በሎ። ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብ ምድረ በዳ ፋራን ሰደዶም። ንሳቶም ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ነበሩ። ካብ ነገድ ሮቤል፥ ሰሙኤል ወዲ ዛኩር፥ ካብ ነገድ ስምኦን፥ ሰፈጥ ወዲ ሱሬ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፥ ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ካብ ነገድ ብንያም፥ ፈልጢ ወዲ ራፉ፥ ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ጉዲኤል ወዲ ሰዲ፥ ምናሴ፥ ጋዲ ወዲ ሱሲ፥ ካብ ነገድ ዳን፥ ዓሚኤል ወዲ ገማሊ፥ ካብ ነገድ ኣሴር፥ ስቱር ወዲ ሚካኤል፥ ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፥ ካብ ነገድ ጋድ፥ ጉዲኤል ወዲ ማኪ። ስም እቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዙይ እዩ። ሙሴ ንኣውሴ ወዲ ነዌ፥ ኢያሱ ኢሉ ሰመዮ። ሙሴ ንምድሪ ከነዓን ክስልሉ ኽሰዶም እንተሎ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ንደቡብ ኣቢልኩም ውፁ፤ ናብቲ እምባታትውን ደይቡ። እታ ሃገር ድማ ኸመይ ከም ዝኾነት፥ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ እውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፥ ውሑድ እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፥ እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፥ ፅብቕቲ እንተ ኾይና ወይ ሕማቕ፥ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ከዓ ኸመይ ምዃነን፥ ዕሩዳት እንተ ኾይነን ወይ ዘይተዓረዳ፥ እታ ምድሪ እውን ከመይ ምዃና፥ ልምዕቲ ምዃናን ዘይምዃናን፥ ኣእዋም እንተልይዋ፥ ወይ እንተ ዘይብላ፥ ርአዩ፤ ትብዑ፤ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምፅኡ።” እተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዝበስለለን ጊዜያት ነበራ። ንሳቶም ከዓ ደዪቦም ነታ ምድሪ ኻብ ምድረ በዳ ፂን ክሳዕ እታ ኣብ መእተዊ ሓማት ዘላ ረኣብ ሰለይዋ። ናብ ነጌብ ከዓ ደየቡ። ናብ ኬብሮንውን ኣተዉ፤ ኣብኣ ድማ ኣኪመን፥ ሴሲ፥ ተላሚ፥ ደቂ ዔናቅ ነበሩ፤ ኬብሮን ከዓ ሸውዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብፂ ዘላ ጣኔዎስ ዝተመስረተት ነበረት። ናብ ለሰ ኤሽኮል እታ ቦታ እቲኣ፥ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዘለላ ወይኒ ስለ ዝቘረፁ፥ ለሰ ኤሽኮል ተብሃለት። እቶም ሰለልቲ ነታ ምድሪ ሰልዮም፥ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ተመለሱ። ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም። ንሙሴ ድማ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ በፃሕና፤ ብሓቂ ኸዓ ንሳ ፀባን መዓርን እተውሕዝ እያ፤ ኣብታ ምድሪ ዝነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፤ እተን ከተማታት ከዓ ዝተዓረዳን የመና ዓበይትን እየን፤ ኣብኡ ድማ ደቂ ዔናቅ ረአና። ኣብ ነጌብ ኣማሌቃውያን ኣብ እምባታት ድማ ሄታውያንን ኢያቡሳውያንን ኣሞራውያንን፥ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብወገን ዮርዳኖስን ድማ ከነዓናውያን፥ ይነብሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ካሌብ ከዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ስዒርና፥ ነታ ምድሪ ኽንሕዛ ንኽእል ኢና እሞ፥ ደዪብና ደኣ ንሓዛ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦም። እቶም ምስ ካሌብ ደዪቦም ዝነበሩ ሰባት ግና “እቶም ህዝቢ ኻባና ዝሕይሉ ስለ ዝኾኑ፥ ክንስዕሮም ኣይንኽእልን ኢና” በሉ። ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሎም ክፉእ ነገር ነገርዎም፦ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፥ ነቶም ዝነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ። እቶም ኣብኣ ዝረአናዮም ኵሎም ህዝቢ ነዋሕቲ ሰባት እዮም። ኣብኣ ድማ እቶም ገዘፍቲ ዝኾኑ ካብ ወገን ኔፊሊም በታ ለይቲ እቲኣ ዅሎም ማሕበር እስራኤል ቃሎም ዓው ኣቢሎም እናበኸዩ ሓደሩ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ከምዙይ እናበሉ ኣጕረምረሙ፦ “ኣብ ግብፂ ወይ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና? ንሕና ኣብ ውግእ ክንመውት፥ ኣንስትናን ደቅናን ከዓ ኽማረኹ፥ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና! ናብ ግብፂ እንተንምለስዶ ኣይምሕሸናን?” ንስንሳቶም ከዓ “ሓለቓ ሼምና ናብ ግብፂ ንመለስ” ተበሃሃሉ። ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ማሕበር ደቂ እስራኤል ብገፆም ተደፍኡ። ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን፥ ካብቶም ነታ ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ብጓሂ ኽዳውንቶም ቀደዱ። ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ “እታ ኽንስልያ ዝዞርናያ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ኣብ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይትዓምፁ እምበር፥ ንሳቶም ከም እንጀራ ክኾኑልና እዮም እሞ፥ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ኣይትፍርሕዎም፤ ፅላሎም ካብኣቶም ተቐንጢጡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳና እዩ። ስለዙይ ኣይትፍርሕዎም” ኢሎም ተዛረብዎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ግና “ብእምኒ ቀጥቂጥና ንቕተሎም” ተበሃሃሉ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተርኣየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እዝ ህዝቢ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝንዕቐኒ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታት ዘየኣምኑኒ? ፌራ ሰዲደ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ኻብኣቶም ንዝዓብን ንዝብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ማእኸል ግብፃውያን ብሓይልኻ ኣውፂእኻዮ ኢኻሞ። ግብፃውያን እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ ኽነግርዎም እዮም። ንስኻ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዘለኻ፥ ገፅ ንገፅውን ከም ዝተርአኻ፥ ደመናኻውን ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝቐውም፥ መዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ለይቲ ኸዓ ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ከም እትኸይድ ሰሚዖም ኣለዉ። ሕዚ ኸዓ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ንዅሎም ብሓደ ጊዜ እንተ ኣጥፋእኻዮም፥ ሽዑ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኸእትዎም ስለ ዘይከኣለ፥ ኣብ በረኻ ኣጥፍኦም’ ኢሎም ክዛረቡ እዮም። “ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ሓይልኻ ኣርእየና፤ ከምቲ ዘተስፈኻዮ ኸዓ ግበር። ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ብዙሕን ዘይውዳእን ምሕረት ዘለካ ኢኻ። በደልን ሓጢኣትን ይቕረ እትብል፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ እትቐፅዕ እምበር፥ ንበዳሊ እንተይቀፃዕኻ ኣይትሓድጎን ኢኻ። ነዝ ህዝቢ እዙይ ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፥ ከምቲ ኻብ ግብፂ ሒዝካ ኽሳዕ ኣብዙይ ይቕረ ዝበልካሉ፥ ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ሓጢኣቱ ሕደገሉ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ከምቲ ዝለመንካዮ ይቕረ ኢለሉ ኣለኹ። ግና፥ ኣነ ብሓቂ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብረይ ከም ዝመልአት፥ ኵሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፥ ድሮ እኳ ዓሰርተ ሻዕ ስለ ዝፈተኑኒ ቓለይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑ፥ ነታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይርእይዋን እዮም፤ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ። ንባርያይ ካሌብ ግና፥ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፥ ፈፂሙውን ስለ ዝተኸተለኒ፥ ናብታ ኣትዩዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፤ ዘርኡውን ክወርስዋ እዮም። ኣብቲ ለሰ ድማ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ይነብሩ ስለ ዘለዉ ፅባሕ ተመሊስኩም ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ ምድረ በዳ ተጕዓዙ።” እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ “ክሳዕ መኣዝ እዩ እዝ ሕሱም ህዝቢ እዙይ ዘጕረምርመለይ? እቲ እዞም መጕረምረምቲ ደቂ እስራኤል ዘዕዘምዝምዎ ዘለዉ ሰሚዐዮ ኣለኹ። እምበኣር ንገሮም፦ ‘ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምቲ ኣብ እዝነይ ዝተዛረብኩምዎ፥ ከምኡ ኽገብረኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ኣቱም ዘጕረምረምኩምለይ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ተቘፂርኩም ዝነበርኩም ኵልኻትኩም፥ ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ። ናብታ ኢደይ ኣልዒለ ‘ናብኣ ኸእትወኩም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩልኩም ምድሪ፥ እንትርፊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን ኢኹም። ነቶም ምርኮ ክኾኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ናብታ ምድሪ ኸእትዎም እየ፤ ነታ ንስኻትኩም ዝነዓቕኩምዋ ምድሪ ድማ ኽወርስዋ እዮም። ንስኻትኩም ግና ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ። ደቅኹም ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኣርብዓ ዓመት ኮለል ክብሉ እዮም፤ ሬሳታትኩም ኣብ ምድረ በዳ ኽሳዕ ዝጠፍእ ኸዓ ምንዝርናኹም ክፆሩ እዮም። ከም ቍፅሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰለልኩምለን መዓልቲታት፥ ኣርብዓ ዓመት ዝገበርኩም፥ ሓንቲ ዓመት ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ እናገበርኩም፥ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ቍጥዓይውን ኽትፈልጡ ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ። ኣቱም ብሓደ ሓቢርኩም ኣባይ ተልዒልኩም ዘለኹም ሕሱማት ማሕበር፥ ብሓቂ ኸምኡ ኽገብሮ እየ፤ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክውድኡ እዮም፤ ኣብኡውን ክሞቱ እዮም።” እቶም ምድሪ ኽስልሉ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም፥ ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኸም ዘጕረምርም ዝገበርዎ፥ እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ተቐሲፎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ካብቶም ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ብህይወት ተረፉ። ሙሴ እዝ ነገራት እዙይ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም እቶም ህዝቢ ብዙሕ ሓዘኑ። ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተስኡ “በዲልና ኢና እሞ፥ እንሆ ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣለና” ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ። ሙሴ ግና፦ “ስለ ምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? እዙይ ድማ ኣይጠቕመኩምን እዩ። እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም የለንሞ፥ ብፀላእትኹም ከይትሰዓሩ ኣይትደይቡ። ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ክገጥሙኹም እዮም እሞ ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽታል ስለ ዝተመለስኩም እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ” በሎም። ንሳቶም ግና ናብ እምባ ኽድይቡ ደፈሩ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄርን ሙሴን ግና ኻብ ሰፈር ኣይተልዓሉን። እቶም ኣብ እምባ ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሔርማ ዝበፅሑ ኸዓ ኣሳጐጕዎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኽትነብርዋ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ንእግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፥ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ብፍቓድካ ዝግበር መስዋእቲ፥ ወይ ኣብ በዓላትኩም ከፍቲ ወይ በጊዕ ወይ ጤል ብምውፋይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኽተቕርቡ እንተ ደሊኹም፥ ሕጉ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ። ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ፥ ምስቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ምስቲ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ጡበታት ኣባጊዕ ሓደ ሊትሮ ወይኒ የቕርብ። ማጓሉ ኽስውእ እንተሎ ኸዓ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብሓደ ሊትሮን ፈረቓን ዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ። ንመስዋእቲ መስተ ዝኸውን ድማ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን ወይኒ የቕርብ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ ገይሩ የቕርቦ። ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ንመስዋእቲ ምስጋና ኢልካ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ጌርካ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር እንተ ኣቕረብካ፥ ምስኡ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብኽልተ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ኣቕርብ። ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ ኽልተ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርብ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። ንሕድሕድ ብዕራይ ወይ ማጓሉ ወይ ጡበት በጊዕ፥ ወይ ወጠጦ ኽትስውኡ እንተለኹም ከምኡ ግበሩ። ከም ቍፅሪ እቶም እትስውእዎም ከምኡ፥ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ቍፅሮም ግበሩ። ኵሉ ወዲ ዓዲ ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምኡ ይግበር። ምሳኻትኩም ንቑሩብ እዋን ዝቕመጥ ጓና፥ ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ ይግበር። ኣብታ ማሕበር፥ ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ስርዓት ይኹን። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓናን ንስኻትኩምን ማዕረ ኢኹም። ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ እንጀራ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ምስ ጀመርኩም፥ ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መባእ ኣቕርቡ። ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዝለዓል መስዋእቲ እተቕርብዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብቲ ቐዳማይ ብዅዕኹም ዝለዓል መስዋእቲ ሓደ ቕጫ ኣቕርቡ። ካብቲ ቐዳማይ ብዅዕኹም ድማ ንውሉድ ወለዶኹም ዝለዓል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሃቡ። ካብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዛት ብዘይ ምፍላጥ እንተ ጠሓስኩም፥ ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዘኩም፥ እንተ ዘይጌርኩም ኻብታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሓሊኹምዎ፥ ነዙይ ከዓ እቲ ማሕበር እንተይፈለጠ ብጌጋ እንተ ገበሮ፥ ሽዑ ዅሉ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ ምስ ናይ እኽሊ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን የቕርብ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል የቕርብ። እዝ በደል እዙይ ብዘይ ምፍላጥ ዝተገብረ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንዲ በደሎም ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ንእግዚኣብሄር ኣምፂኦም እዮም እሞ፥ እቲ ኻህን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል የስተስርየሎም፤ ስሕተት ነይሩ እዩሞ፥ ክሕደገሎም እዩ። ብዘይ ፍልጠት ዝተገብረ በደል ስለ ዝኾነ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን ሓጢኣቶም ክሕደገሎም እዩ። ሓደ ሰብ እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ስለ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ዓመት ዝገበረት ኣንስተይቲ ጤል የቕርብ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ብጌጋ፥ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ኽሕደገሉ እዩ። ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዝግበር ነገር ነቲ ወዲ ዓዲ ዝኾነ እስራኤላውን ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን። ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ። ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፥ ትእዛዛቱውን ኣፍሪሱ እዩ እሞ፥ ንሱ ፈፂሙ ይወገድ፤ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ። ደቂ እስራኤል ገና ኣብ ምድረ በዳ እንተለዉ፥ ሓደ ሰብ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ዕንፀይቲ እናኣረየ ረኸቡ። እቶም ዕንፀይቲ እናኣረየ ዝረኸብዎ ኸዓ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ኵሉ ማሕበርን ኣቕረብዎ። እንታይ ከም ዝገብርዎ ስለ ዘይፈለጡ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ሰብ እቱይ ይሙት፤ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ” በሎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፂኦም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ወሰን ክዳውንትኹም ዘፈር ግበሩ፤ ኣብ ኵሉ እቲ ዘፈር ከዓ ሰማያዊ ፈትሊ ቕወዱሉ። እዝ ዘፈር እዙይ ድማ መዘከሪ ክኾነኩም እዩ። ነዙይ እናረአኹም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክትዝክሩን ክትእዘዝዎን ኢኹም። ሽዑ ኻብኡ ርሒቕኩም ከም ትምኒት ልብኹምን ድሌት ዓይንኹምን ኣይትኸዱን ኢኹም። ሽዑ ንዅሉ ትእዛዛት ክትዝክርዎን ክትገብርዎን ኢኹም። ንኣይ ንኣምላኽኩም ከዓ ቅዱሳን ክትኮኑ ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፥ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ቆሬ ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቃዓት ወዲ ሌዊ፥ ዳታንን ኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ፥ ኦን ከዓ ወዲ ፋሌት ካብ ነገድ ሮቤል፥ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሹመኛታት ወሰዱ፤ ንሳቶም ብህዝቦም ስሙያት ዝኾኑ ናይቲ ማሕበር ኣሕሉቕ ነበሩ። ናብ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም መፁ እሞ፥ “ኵሉ እዝ ህዝቢ ቅዱስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእኸሉ እዩ። ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ኴንኩም እትዕበዩ? እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ” እናበሉ ተፃረርዎም። ሙሴ እዙይ ምስ ሰምዐ ብግንባሩ ተደፍአ። ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ። ንስኻን ቆሬን፥ ኵሎም ሰዓብትኻን ከምዙይ ግበሩ፦ ፀፅንሃህኹም ውሰዱ፤ ፅባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊን ዕጣንን ግበሩሉ። እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሰብ፥ ንሱ ቅዱስ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሌዊ እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ፤ ኢሉ ተናገሮም።” ሙሴ ኸዓ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣቱም ደቂ ሌዊ፥ ሕዚ ስምዑ። ኣብ ድንኳን እግዚኣብሄር ክተገልግሉ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ደው ኢልኩም ከዓ ኽተገልግልዎም፥ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኸቕርበኩም ኢሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሪፁ ዝፈለየኩምዶ ንኢሱኩም እዩ? ንኣኻን ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕሪቡኩምስ ሕዚ ድማ ኽህነት ደሊኹም? ስለዙይ ንስኻን ኵሎም ሰዓብትኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም ዝተኣከብኩም። ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ ደኣ፥ ኣሮን መን እዩ?” ሙሴ ድማ ንዳታንን ኣቤሮንን፥ ደቂ ኤልያብ፥ ክፅውዑሉ ለኣኸ። ንሳቶም ከዓ “ኣይንመፅእን! ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፥ ካብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውፃእኻናዶ ውሒዱ እዩ? ሕዚ ኸዓ ኣብ ልዕሌና ኽትጕይተትዶ ትደሊ ኣለኻ? ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣየእተኻናን፤ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከዓ ኣየውረስካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኽተንቍር ደሊኻ ኢኻ? ኣይንመፅእን” በሉ። ሙሴ ድማ የመና ተቘጢዑ ንእግዚኣብሄር፥ “መስዋእቶም ኣይትቀበል፤ ካብኣቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፤ ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩሎምን” በሎ። ሙሴ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ንስኻን እቶም ኵሎም ወገናትካን፥ ኣሮንውን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምፁ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ይውሰድ፤ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፤ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ፅንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ፤ ንስኻን ኣሮንን ድማ ነናትኩም ፅንሃህ ኣምፅኡ” በሎ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ወሰደ፤ ሓዊን ዕጣንን ድማ ገበረሉ፤ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኣብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ደው በሉ። ቆሬ ድማ ንዅሎም ሰዓብቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣከቦም። ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እቲ ማሕበር ተርኣየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፥ “ካብዝ ጉባኤ እዙይ ተፈለዩ፤ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ” በሎም። ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ረሓቑ’ ኢልካ ተዛረቦም” በሎ። ሙሴ ድማ ተሲኡ ናብ ዳታንን ኣቤሮንን ከደ፤ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ሰዓብዎ። ነቶም ህዝቢ ኸዓ “በይዛኻትኩም ካብ ድንኳናት እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ረሓቑ፤ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸዓ ናቶም ዝኾነ ኣይትንክኡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኻብ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ረሓቑ። ዳታንን ኣቤሮንን ግና ወፂኦም፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ህፃናቶምን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳናቶም ደው በሉ። ሙሴ ኸዓ “እዝ ዅሉ ግብሪ እዙይ ክገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኸኒ እምበር ካብ ፍቓደይ ከም ዘይኮነ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤ እንተ ደኣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ ሞይቶም፤ ወይ ንዅሉ ሰብ ከም ዝበፅሖ እንተ ተቀሰፉ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ኣይለኣኸንን። እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፥ እዚኣቶም ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ክወርዱ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሓጠቶም፥ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዓቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” በለ። እዝ ዅሉ ተዛሪቡ ምስ ወድአ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደደት። ምድሪ ኣፋ ኸፈተት፤ ንኣኣቶምን ነባይቶምን ንዅሎም ናይ ቆሬ ሰባትን ንዅሉ ንብረቶምን ከዓ ወሓጠቶም። ንሳቶም ድማ ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ተዓፀወቶም፤ ካብ ማእኸል ማሕበሮም ድማ ጠፍኡ። ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ ኣውያቶም ሰሚዖም “ንኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና” ኢሎም ሃደሙ። ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ‘እቲ ፅንሃሃት ተቐዲሱ እዩ እሞ፥ ካብቲ ነዳዲ ኣውፅአዮ፤ ነቲ ሓዊ ኸዓ ናብ ወፃኢ ደርብዮ’ በሎ። ነቲ ፅንሃሃትውን ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ነቲ መሰውኢ ኸዓ ብእኡ ይለብጥዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ምልክት ይኹን።” ካህን ኣልኣዛር ከዓ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ ፅንሃሃት ነሃስ ወሰዶ፤ ንመለበጢ መሰውኢ ክኸውን ከዓ ቐጥቂጡ ኣርቀቖ። ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይቕረብ። እንተ ቐረበ ግና ኸም ቆሬን ከም ሰዓብቱን ክኸውን እዩ። እዙይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን። እዝ ዅሉ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ እዩ። ንፅባሒቱ ድማ ዅሉ እቲ ማሕበር፦ “ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልክምዎ” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ። እቶም ህዝቢ ንሙሴን ንኣሮንን ክቃወሙ ምስ ተኣከቡ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቢሎም ግልፅ በሉ። እንሆ ድማ ነቲ ድንኳን፥ ደመና ጐልበቦ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣየ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን መፁ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣነ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ካብዝ ህዝቢ እዙይ ረሓቑ” በሎ። ንሳቶም ከዓ ብገምበሮም ተደፍኡ። ሙሴ ኸዓ ንኣሮን “ካብ እግዚኣብሄር፥ ቍጥዓ ወሪዱ፥ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፥ ፅንሃህካ ወሲድካ ኻብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፤ ዕጣን ከዓ ኣእትወሉ፤ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ህዝቢ ኺድ እሞ፥ ሓጢኣቶም ኣስተስርየሎም” በሎ። ኣሮን ከዓ፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ፥ ፅንሃህ ወሰደ፤ ናብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ድማ ጐየየ። እንሆ ኸዓ እቲ መዓት ኣብቶም ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ፤ ኣሮን ግና ዕጣን ገይሩ ነቲ ህዝቢ ኣስተስረየሉ። ኣብ መንጎ ምዉታንን ህያዋንን ድማ ቆመ። እቲ መዓት ከዓ ተኸልከለ። ብዘይ እቶም ብሰንኪ ቆሬ ዝሞቱ፥ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ። ኣሮን ድማ ናብ ሙሴ፥ ናብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ተመለሰ፤ እቲ መዓትውን ተኸልከለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፦ “ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ሓንቲ ሓንቲ በትሪ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ እናተቐበልካ፥ ዓሰርተ ኽልተ በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ በበትሩ ፀሓፍ። ነንሹም ነገድ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትሃልዎ፤ ስም ኣሮን ድማ ኣብ በትሪ ሌዊ ፀሓፍ። ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብረን። በትሪ ናይቲ ዝሓረኽዎ ሰብ ክትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ኣባኻትኩም ዘጕረምርምዎ ዘለዉ ድማ፥ ካባይ ከጥፍኦ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፤ ኵሎም ሹመኛታቶም ድማ ዓሰርተ ኽልተ ኣብትርቲ ሃብዎ። እተን ኣብትርቲ ኸዓ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ ነበራ። በትሪ ኣሮን ድማ ኣብ ማእኸል ኣብትርቶም ነበረት። ሙሴ ድማ ነተን ኣብትርቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን። ሙሴ ንፅባሒቱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተወ፤ እንሆ ኸዓ በትሪ ኣሮን፥ እታ ናይ ቤት ሌዊ፥ ጠጢዓ፥ ቈፅሊ ኣውፂኣ፥ ዓምቢባ፥ ብሱል ለውዝ ፈርያ ፀንሐት። ሙሴ ኸዓ ንዅለን ኣብትርቲ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣውፂኡ ናብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣምፅአን፤ ሪኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ በበትሩ ወሰደ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ነቶም ዓመፅቲ ምልክት ምእንቲ ኽትኮኖም፥ ንበትሪ ኣሮን፥ ኣብኡ ኽትሕሎ፥ ናብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ምለሳ፤ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም ከዓ ኸቋርፆ እየ። ንሳቶም ከዓ ኣይሞቱን እዮም” በሎ። ሙሴ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ “እንሆ ሞትና፥ ጠፋእና፥ ኵልና ጠፋእና። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝቐረበ ዅሉ ይመውት ኣሎ፤ ኵልናዶ ኽንጠፍእ ኢና?” ኢሎም ተዛረብዎ። እግዚኣብሄር ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ናይ ቤተ መቕደስ ሓጢኣት፥ ንስኻን ደቅኻን ሌዋውያንን ክትፆሩ ኢኹም፤ ናይ ክህነትኩም ሓጢኣት ድማ፥ ንስኻን ደቅኻን ክትፆሩ ኢኹም። ንስኻን ደቅኻን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክተገልግሉ እንተለኹም ምእንቲ ኽሕግዙኹም ነቶም ዓሌትካ ዝኾኑ ሌዋውያን ናባኻ ኣቕርቦም። ንሳቶም ንኣኻን ነቲ ድንኳንን የገልግሉ፤ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ ግና፥ ናብ ኣቑሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ኣይቕረቡ። ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም፥ ንመራኸቢ ድንኳን ይሓልዉ፤ ካልእ ሰብ ግና ናባኻትኩም ኣይቕረብ። “ቍጥዓይ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ እስራኤል ከይመፅእ ንስኻትኩም ኣብ መቕደስን ኣብ መሰውእን ሓለፍቲ ዄንኩም ኣገልግሉ። እንሆ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ሓርየ፤ ንኣኻትኩም ዝሃብኩኹም ውህብቶ እዮም። ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንኣይ ዝተወፈዩ እዮም። ኣብቲ መሰውእን ኣብቲ ውሽጢ መጋረጃን ዘሎ ግና ንስኻን ደቅኻን ብኽህነት ኣገልግሉን ሓልውን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህብቶ ሂበኩም ኣለኹ። ካልእ ኣብ መቕደስ እንተ ቐረበ ግና፥ ይቀተል።” እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ መስዋእቲ ኸም ብፅሒትኩም ገይረ ንኣኻን ንደቅኻን ሂበኩም ኣለኹ። እቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ኽፍሊ ናይቲ ፍፁም ቅዱስ መባእ ንኣኻ ይኹን። እቲ ዘቕርቡለይ ፍፁም ቅዱስ ዝኾነ ዅሉ መባኦም፥ ኵሉ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቶምን ንኣኻን ንደቅኻን ዝተቐደሰ ይኹን። ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ብልዓዮ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።” “ኣብ ርእሲ እዙይ እቲ ኻብ መባኦም ዝለዓል ፍሉይ መስዋእትን፥ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ ዝውዝወዝ መስዋእትን፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነዋልድካን ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።” “ካብቲ ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝህብዎ በዅራት፥ ካብ ዘይቲ፥ ካብ ወይኒ፥ ካብ እኽሊ ዘዝበለፀ ዅሉ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ናብ እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ በዅሪ ፍረ ምድሮም ንኣኻ ይኹን። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።” “ኵሉ ኣብ እስራኤል ዝተሓረመ ንኣኻ ይኹን። ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት ሰብ ኮነ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ኮነ ንበዅሪ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ተቤዘዎ። ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ከም ግምትካ ተቤዘዎ፤ ግምቱውን ከም ሚዛን ቤተ መቕደስ ሓሙሽተ ሰቕሊ “በዅሪ ላሕምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና ናተይ እዮም እሞ፥ ኣይቤዘውዎም፤ ንደሞም ኣብ መሰውኢ ንፀጎ፤ ስብሖም ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ብሓዊ ኣቃፂልካ ሰውአለይ። ስጋኦም ንኣኻ ይኹን። ከም ሓኸለ እቲ ዝውዝወዝ መስዋእትን የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን። ነቲ ዅሉ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ቅዱስ ዝኾነ ፍሉይ መስዋእቲ፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነጓላትካን፥ ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝነብር ኪዳን ጨው እዩ።” እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸሎምውን ርስቲ ኣየሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ብፅሒትካን ርስትኻን ኣነ እየ። “ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዝህብዎ ኣገልግሎት፥ እንሆ፥ ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዝህብዎ ዓስራት፥ ብፅሒቶም ገይረ ሂበዮም ኣለኹ። ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኤል ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይቕረቡ። እንተ ቐረቡ ግና ብሰንኪ ሓጢኣቶም ክሞቱ እዮም። ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉን ሓላፍነት ዘለዎምን ሌዋውያን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይካፈሉ። ‘ሌዋውያን ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሃልዎም’ ዝበልኩ፥ እቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ፍሉይ መስዋእቲ ዝህብዎ ዓስራት ንኣኣቶም ርስቲ ስለ ዝሃብክዎም እዩ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንሌዋውያን ከምዙይ በሎም፦ ካብ ደቂ እስራኤል እቲ ኸም ርስትኹም ገይረ ዝሃብኩኹም ዓስራት ምስ ወሰድኩም፥ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዝለዓል ፍሉይ መስዋእቲ ጌርኩም፥ ካብቲ ዓስራት፥ ዓስራት ኣቕርቡለይ። እዝ ዝለዓል መስዋእትኹም ድማ ኸምቲ ሓረስታይ ካብ ዓውዱ ዘቕርቦ ስርናይን ካብ መፅመቚ ወይኑ ዘቕርቦ ወይንን ክቝፀረልኩም እዩ። ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ኻብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ዅሉ ዓስራትኩም ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መስዋእቲ ኣቕርቡለይ፤ ካብኡ እቲ ፍሉይ መስዋእተይ ንኻህን ኣሮን ሃብዎ። ፍሉይ መስዋእቲ ኽተቕርቡለይ እንተለኹም ካብቲ ዝተውሃበኩም እቲ ዝበለፀ ኣቕርቡለይ። ከምዙይ ድማ በሎም፦ ካብኡ እቲ ዝበለፀ ምስ ኣቕረብኩም፥ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መፅመቝን ይቝፀረሎም። ናይቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እተገልግልዎ መተሓዳደሪኹም ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ። ካብኡ እቲ ዝበለፀ ንእግዚኣብሄር ምስ ኣልዓልኩም ሓጢኣት ኣይትስከሙን ኢኹም። ከይትሞቱ ኸዓ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝቐደስዎ ኣይተርክስዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሕግን ትእዛዝን እዙይ እዩ፦ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዘይብላ፥ በርዑት ተቘሪና ዘይትፈልጥ ቀያሕ ዓርሒ ኸምፅኡልካ፥ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። ንኣኣውን ንኻህን ኣልኣዛር ይሃብዎ፤ ንሱ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅኣያ፤ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ። ካህን ኣልኣዛር ከዓ ኻብቲ ደማ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ብወገን ቅድሚቱ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ። እታ ዓርሒ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስ ፈርሳ ትቃፀል። እቲ ኻህን ድማ ዕንፀይቲ ፅሕድን ስምዕዛን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ወሲዱ፥ ናብ ማእኸል እታ ዓርሒ እትቃፀለሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ። እቲ ኻህን ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ብድሕሪኡ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። እቲ ዘቃፀላ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ብማይ ይሕፀብ፤ ሰብነቱውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። “ነቲ ናይታ ዓርሒ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር ድማ ኸምቲ ሕጊ፥ ንፁህ ኣብ ዝኾነ ቦታ የንብሮ። እዙይ ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝነፅሁሉ ማይ ምእንቲ ክኸውን ይተሓሎ። ሓሙዅሽቲ እታ ዓርሒ ዝኣከበ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኸውን። እዙይ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ዝነብር ሕጊ እዩ። “ኵሉ ሬሳ ዝሞተ ሰብ ዝነኽአ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን። ንሱ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን ሻውዐይቲ መዓልትን ብማይ ተሓፂቡ ይንፃህ፤ ሽዑ ኸዓ ይነፅህ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነፅሀ ግና በታ ሻውዐይቲውን ኣይነፅህን እዩ። ሬሳ ሰብ ዝነኽአ እሞ ዘይነፅሀ፥ ንመሕደሪ እግዚኣብሄር ስለ ዘርከሰ፤ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። እቲ ማይ ምንፃህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነፀጎ ርኹስ እዩ፤ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ። “ሰብ ኣብ ድንኳኑ እንተ ሞተ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝኣተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን። ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣስረ መኽደን ዘይብሉ ዅሉ ኽፉት ኣቕሓ ዝረኸሰ ይኸውን። “ኣብ በረኻ ብሰይፊ ዝተቐትለ ወይ ብሕማም ዝሞተ ወይ ዓፅሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝነኽአ ዅሉ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን። “ነቲ ርኽሰት ንምንፃህ ድማ ኻብ ሓሙዅሽቲ እታ ኽንዲ ሓጢኣት ዝተቓፀለት ዓርሒ ይውሰዱ፤ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓሙዅሽቲ ፅሩይ ማይ የፍስሱሉ። ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ። እቲ ንፁህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንፀገሉ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንፁህ ክኸውን እዩ። እቲ ዝነፅህ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ምሸት ከዓ ንፁህ ክኸውን እዩ። ዝረኸሰ ሰብ እንተ ዘይነፅሀ ግና፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ማእኸል እቲ ማሕበር ይጥፋእ። ማይ ምንፃህ ስለ ዘይተነፀጎውን ርኹስ እዩ። “እቲ ማይ ምንፃህ ዝነፀገ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ እቲ ማይ ምንፃህ ዝነኽአ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ዘይነፅሀ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ዝነኽአ ሰብ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።” ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ ምድረ በዳ ፂን ኣተዉ፤ ኣብ ቃዴስ ድማ ፀንሑ። ማርያም ከዓ ኣብኡ ሞተት፤ ኣብኡውን ተቐበረት። ነቲ ህዝቢ ዝኸውን ማይ ድማ ኣይነበረን፤ ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ። እቶም ህዝቢ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሎም ተጓየቝዎ፦ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሞቱ እንተለዉ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና! ስለ ምንታይ ንኣና ንህዝቢ እግዚኣብሄር ናብዝ ምድረ በዳ እዙይ ኣምፃእኹምና? ንሕናን ከፍትናን ኣብዙይ ምእንቲ ኽንመውት ድዩ? ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኽተእትዉና ኢልኩም ዲኹም ካብ ግብፂ ዘውፃእኹምና? እኽሊ ኾነ በለስ፥ ወይኒ ኾነ ሮማን የብላን፤ ዝስተ ማይውን የብላን።” ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ በሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዱ። ብገምበሮም ድማ ተደፍኡ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣዮም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ነታ በትሪ ውሰዳ፤ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከዓ ነቲ ማሕበር ኣክብዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ነቲ ኰዅሒ ማይ ከፈልፍል ኣዝዝዎ፤ ንስኻውን ካብቲ ኰዅሒ ማይ ኣፈልፍለሎም፤ ነቲ ህዝብን ንኸፍቶምን ከዓ ኣስትዮም” በሎ። ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወሰዳ። ምስ ኣሮን ኮይኑ ድማ ነቲ ማሕበር ኣብ መንፀር እቲ ኰዅሒ ኣኪቡ፥ “ኣቱም ዓመፀኛታት፥ እስኪ ስምዑ፤ ካብዝ ኰዅሒ እዙይዶ ማይ ክነፈልፍለልኩም?” በሎም። ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኰዅሒ ብበትሩ ኽልተ ሻዕ ወቕዖ፤ ብዙሕ ማይ ከዓ ፈልፈለ፤ እቶም ማሕበርን ከፍቶምን ድማ ሰተዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩም፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም” በሎም። ሙሴ ድማ ኻብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ፦ “ሓውካ ዝኾነ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦታትና ናብ ግብፂ ወረዱ፤ ንሕና ኸዓ ኣብኡ ነዊሕ ዘመን ተቐመጥና፤ ግብፃውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ኣሳቐዩና። “እንሆ ኸዓ ንሕና ኣብ ወሰን ግዝኣትካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቓዴስ ኣለና። በይዛኻ! ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ብገራሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፤ ማይ ዒላውን ኣይንሰትን፤ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ደኣ ንኸይድ እምበር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይነግልስን ኢና።” ንጉስ ኤዶማውያን ግና “ወፂእና ብሰይፊ ኸይንዋግአኩም ብሃገረይ ኣይትሕለፉ” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ “ብጐደና ኢና እንሓልፍ፤ ንሕናን ከፍትናን ካብ ማይካ እንተ ሰተና ድማ ዋጋኡ ንኸፍል። ንእግርና ጥራሕ ኢና እንሓልፍ እምበር እንደልዮ የብልናን” በልዎ። ኤዶምያስ ድማ “ኣይትሓልፉን ኢኹም” በሎም። ሽዑ ኸዓ ብዙሕን ሓያልን ሰራዊት ሒዞም ክወግእዎም ወፁ። በዝ ኸምዙይ ኤዶማውያን ንእስራኤል ብግዝኣቶም ምሕላፍ ምስ ከልእዎም፥ እስራኤላውያን ካብኡ ኣግለሱ። ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ቃዴስ ተጕዒዞም ናብ እምባ ሆር መፁ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ እምባ ሆር፥ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶምያስ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ። ንስኻ ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ወሲድካ፥ ናብ እምባ ሆር ኣደዪቦም። ንኣሮን ከዓ ኣልባሱ ኣውፂእኻ ንኣልኣዛር ወዱ ኣልብሶ። ኣሮን ግና ኣብኡ ኽመውት እዩ።” ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ኵሉ እቲ ማሕበር እናረአዮምውን ናብ እምባ ሆር ደየቡ። ሙሴ ድማ ንኣልባስ ኣሮን ኣውፂኡ ንወዱ ኣልኣዛር ኣልበሶ። ኣሮን ከዓ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ኻብቲ እምባ ወረዱ። ህዝቢ እስራኤል ብምሉኦም ከዓ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዑ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። እቲ ኣብ ደቡባዊ ከነዓን ዝነብር ከነዓናዊ ናይ ኣራድ ንጉስ፥ ደቂ እስራኤል ብመንገዲ ኣታሪም ከም ዝመፁ ምስ ሰምዐ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ተዋግአ፤ ካብኣቶም ከዓ ውሑዳት ምርኮ ማረኸ። ሽዑ ደቂ እስራኤል “ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ኢድና ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካናስ፥ ንኸተማታቶም ሕርሚ ኢልና ኽንድምስሰን ኢና” ኢሎም ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ተመባፅዑ። እግዚኣብሄር ድማ ቓል ደቂ እስራኤል ሰምዐ፤ ንከነዓናውያን ከዓ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ወቒዖም ደምሰስዎም። ነታ ኸተማ ድማ “ሔርማ”፥ ኢሎም ሰመይዋ። ንምድሪ ኤዶምያስ ርሒቖም ክዞሩ ኻብ እምባ ሆር ተልዒሎም ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጕዓዙ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ካብ መንገዲ ዝተልዓለ ደኸሙ። “እቲ ህዝቢ ድማ፥ ኣብዙይ እንጀራ የለን፤ ማይውን የለን፤ ነዝ ቐሊል ምግቢ ኸዓ ነፍስና መንያቶ እያ፤ ኣብ ምድረ በዳ ኽንመውትከ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹምና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣትማን ናብቶም ህዝቢ ሰደደ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ነኸስዎም፤ ካብ እስራኤል ከዓ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መፂኦም “ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፤ ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ፀለየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፦ “ምስሊ ተመን ብነሃስ ግበር፤ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኵሉ ዝተነኸሰ ናብኡ እንተ ጠመተ ብህይወት ክነብር እዩ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ኻብ ነሃስ ተመን ገበረ፤ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ብተመን ዝተነኸሰ ዝኾነ ሰብ ናብቲ ተመን ነሃስ እንተ ጠመተ ይሓዊ ነበረ። ደቂ እስራኤል ተጕዒዞም ኣብ ኦቦት ሰፈሩ። ካብ ኦቦት ተጕዒዞም ድማ፥ ኣብ መንፅር ሞኣብ ብወገን ምብራቕ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ ኣብ ዒዬዓባሪም ሰፈሩ። ካብኡ ተጕዒዞም ከዓ፥ ኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ። ካብኡ ተጕዒዞምውን፥ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ኻብ ወሰን ኣሞራውያን ኣብ ዝወፅእ ፈለግ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከዓ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ወሰን ሞኣብ እዩ። ስለዙይውን እዩ ኣብ መፅሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ከምዙይ ተብሂሉ ዘሎ፦ “ዋሄብ ኣብ ሱፋ፥ ለሰታት ኣርኖንውን ናብቲ ዔር ዘላቶ፥ ቍልቍለት ለሰታት ድማ ናብ ወሰን ሞኣብ ዝፅጋዕ እዩ።” ካብኡ ድማ፥ ናብ ቤዔር ንስኻትኩም ከዓ ዘምሩሉ። ሽዑ ኻብ ምድረ በዳ ተጕዒዞም ናብ ማታና፥ ካብ ማታና ናብ ናሓሊኤል፥ ካብ ናሓሊኤል ናብ ባሞት፥ ካብ ባሞት ከዓ ናብቲ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ ዝርኢ ርእሲ እምባ ፊስጋ፥ ናብ በረኻ ሞኣብ ዘሎ ለሰ ተጕዓዙ። ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፦ “ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ናብ ገራሁን ናብ ወይንን እንተየግለስና፥ ማይ ዒላውን እንተይሰተና፥ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ክንከይድ ኢና” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱ። ሴዎን ግና እስራኤላውያን ብግዝኣቱ ኽሓልፉ ስለ ዘይፈቐደ ዅሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤላውያን ክወግኦም ናብ በረኻ ወፀ፤ ናብ ያሃፅ መፂኡ ኸዓ ምስ እስራኤል ተዋግአ። ደቂ እስራኤል ግና ተዋጊኦም ሰዓርዎ፤ ንምድሩ ኸዓ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ሓዝዎ። ወሰን ደቂ ኣሞን ግና ፅኑዕ ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ ንዅለን ከተማታት ኣሞራውያን ሓዝወን፤ ንሓሴቦንውን ምስ ኵለን ከባቢኣ ሓዝዋ፤ ኣብኣተንውን ተቐመጡ። ሓሴቦን ርእሲ ኸተማ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን እያ። ንሱ ምስቲ ቕድም ንጉስ ሞኣብ ዝነበረ ተዋጊኡ ንዅላ ምድሩ ኽሳዕ ፈለግ ኣርኖን ዝሓዘ ነበረ። ከተማ ሴዎንውን ትተሓደስ። ነቶም ኣብ ደጕዓ ኣርኖን ዝቕመጡን በልዖም። ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ሃቦም። ክሳዕ ሜድባ ኣፍረስናዮም።” በዝ ኸምዙይ ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጡ። ሙሴ፥ ዝስልሉ ሰባት ናብ ያዕዘር ምስ ሰደደ፥ ነቶም ኣሞራውያን ኣውፂኡ ነተን ዓድታት ሓዘን። ተመሊሶም ድማ ብመንገዲ ባሳን ኣቢሎም ደየቡ። ኣግ ንጉስ ባሳን ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ ኣብ ኤድራይ ክዋግኦም ወፀ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንእኡን ንዅሉ ሰራዊቱን ንምድሩን፥ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበካ እየ እሞ ኣይትፍርሓዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ግበሮ” በሎ። ንሳቶም ድማ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ሰራዊቱን፥ ሓደኳ እንተየትረፉ ወድእዎም፤ ንምድሩ ድማ ወረሱ። ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ኢያሪኮ ተጕዒዞም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ሰፈሩ። ባላቅ ወዲ ሴፎር ድማ፥ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዅሉ ረአየ። ሞኣባውያን ከዓ፥ ህዝቢ እስራኤል ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፥ ብኣኣቶም የመና ፈርሑ። ሞኣባውያን ብደቂ እስራኤል ተሸበሩ። ሽዑ ሞኣባውያን ንዓበይቲ ሚድያን “ብዕራይ ሳዕሪ በረኻ ኸም ዝበልዕ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ፥ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ዅሉ ኸምኡ ኽበልዖ እዩ” በልዎም። በቲ ዘመን እቱይ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር ንጉስ ሞኣብ ነበረ። “ኣብዙይ ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ኣለዉ፤ ንሳቶም ንገፅ ምድሪ ዝኸድኑ እዮም፤ እንሆ ኣብ ጥቓና ከዓ ሰፊሮም ኣለዉ። ንሳቶም ካባይ ዝሕይሉ ህዝቢ ስለ ዝኾኑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መፂእኻ ርገሞም። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፥ ዝረገምካዮ ኸዓ ርጉም ከም ዝኾነ እፈልጥ እየሞ። ስለዙይ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ” በሎ። ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ምድያምን ድማ ንጥንቍልና ዝኽፈል ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፤ ናብ በለዓም መፂኦም ከዓ ቓል ባላቅ ነገርዎ። ንሱ ድማ “ሎሚ ለይቲ ኣብዙይ ሕደሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኒ ነገር ከዓ ምላሽ ክህበኩም እየ” በሎም። ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ምስ በለዓም ሓደሩ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ። በለዓም ከዓ ንእግዚኣብሄር “ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ‘እንሆ ኻብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ንገፅ ምድሪ ይኸድንዋ ኣለዉ። ሕዚ መፂእኻ ርገሞም፤ ምናልባሽ ክዋግኦምን ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ ኢሉካ’ ኢሎም ክነግሩኒ ዝለኣኸለይ ሰባት እዮም” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስኣቶም ኣይትኺድ፤ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ድማ ምሩቓት እዮም እሞ ኣይትርገሞም” በሎ። በለዓም ከዓ ኣንጊሁ ተሲኡ ንሹመኛታት ባላቅ “ምሳኻትኩም ከይኸይድ እግዚኣብሄር ከሊኡኒ እዩ እሞ፥ ናብ ሃገርኩም ኪዱ” በሎም። ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ተስኡ፤ ናብ ባላቅ ተመሊሶም ከዓ “በለዓም ምሳና ምምፃእ ኣብዩ” በልዎ። ባላቅ ድማ ኻብኣቶም ዝበዝሑን ዝኸብሩን ካልኦት ሹመኛታት መሊሱ ሰደደ። ናብ በለዓም ከይዶም ከዓ “ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ‘በይዛኻ፥ ናባይ ካብ ምምፃእ ዝዓግተካ ኣይንበር፤ ንኽብርኻ ኸዕብዮ እየ፤ እትብለኒ ዅሉ ኸዓ ኽገብር እየ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ርገመለይ’ ይብል ኣሎ” በልዎ። በለዓም ድማ ንልኡኻት ባላቅ “ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብንእሽተይ ኮነ ብዓቢዪ ኸፍርስ ኣይክእልን እየ። ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር መሊሱ ዝብለኒ ኽፈልጥስ ንስኻትኩምውን በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብዙይ ሕደሩ” ኢሉ መለሰሎም። እግዚኣብሄር ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፅውዑኻ ኻብ መፁ ምስኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር” በሎ። በለዓም ከዓ ንግሆ ተሲኡ፥ ኣድጉ ፅዒኑ፥ ምስቶም ሹመኛታት ሞኣብ ከደ። ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ። ንሱ ኣብ ኣድጉ ተቐሚጡ ኽልተ ሓሻኽሩ ኸዓ ምስኡ እናኸዱ እንተለዉ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ክኽልክሎ ኣብ መንገዲ ደው በለ። እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ዝተመዘዘ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ረአየት፤ ካብ መንገዲ ኣግሊሳ ኸዓ ናብቲ ግራት ኣቢላ ኸደት። በለዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መንገዲ ኽመልሳ ወቕዓ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ብኽልተ ወገኑ ኣብ ዝተነድቀ ፀቢብ መንገዲ ደው በለ። እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ናብቲ መንደቕ ተፀግዐት፤ ንእግሪ በለዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣላግዐቶ። ንሱ ኸዓ ደጋጊሙ ወቕዓ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንቕድሚት ሓሊፉ፥ ንየማን ወይ ንፀጋም መግለሲ ኣብ ዘይብላ መንገዲ፥ ኣብ ፀባብ ቦታ ደው በለ። እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ኣብ ትሕቲ በለዓም ለጥ በለት። በለዓም ድማ ተናዲዱ ነታ ኣድጊ ብበትሪ ወቕዓ። ሽዑ እግዚኣብሄር ነታ ኣድጊ ኸም እትዛረብ ገበራ፤ ንሳ ድማ ንበለዓም፥ “እዝ ሰለስተ ሻዕ ዝወቓዕኻንስ እንታይ ገይረካ እየ?” በለቶ። በለዓም ከዓ ነታ ኣድጊ “ስለ ዘላገፅክለይ! አረ ሰይፊ ኣብ ኢደይ እንተ ዝህልወንስ ሕዚ እኳ ምቐተልኩኺ ነይረ” በላ። እታ ኣድጊ ድማ ንበለዓም “ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንነዊሕ ዘመን ዝተቐመጥካኒ ኣድግኻዶ ኣይኮንኩን? ከምዙይከ ገይረካዶ እፈልጥ እየ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ኣይገበርክን” በላ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በለዓም ከፈተ እሞ፥ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ዝተመዘዘ ሰይፊ ሒዙ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ እንተሎ ረአየ። ብግንባሩ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ድማ ሰገደ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሻዕ ዝወቓዕኻያ? እዛ መንገድኻ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ስለ ዘይኮነት፥ እንሆ፥ ክቃወመካ መፃእኹ። እታ ኣድጊ ኸዓ ሪኣትኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ኻብ ቅድመይ ኣግለሰት፤ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፥ ንኣኣ ብህይወታ ሓዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ” በሎ። በለዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እወ፥ በዲለ፤ ክትቃወመኒ ኢልካ ኣብ መንገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን። ሕዚ ኸዓ ዘጕህየካ እንተ ኾይኑስ ኽምለስ” በሎ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ደኣ ተዛረብ” በሎ። በለዓም ከዓ ምስቶም ሹመኛታት ባላቅ ከደ። ባላቅ ድማ፥ በለዓም ከም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ክቕበሎ ናብታ ኣብ ወሰን ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፥ ናብ ጫፍ ወሰን ግዝኣቱ ኸደ። ባላቅ ድማ ንበለዓም “ቀልጢፍካ ኽትመፅእዶ ኣይለኣኽኩልካን? ስለ ምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመፃእኻ? ክብርኻ ኸዕብዮ ዘይክእልዶ መሲሉካ?” በሎ። በለዓም ከዓ ንባላቅ “እንሆ፥ ናባኻ መፂአ ኣለኹ፤ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንብረለይ ቃል እየ ዝዛረብ” በሎ። በለዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፤ ናብ ቂርያት ሑፆት ከዓ መፁ። ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሓሪዱ ናብ በለዓምን ናብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታትን ስጋ ሰደደ። ንፅባሒቱ ባላቅ ንበለዓም ወሲዱ ናብ ባሞት በዓል ኣደየቦ፤ ኣብኡ ኾይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ። በለዓም ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ኣዳልወለይ” በሎ። ባላቅ ከምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ኵለን እተን መሰውኢታት ሓድሓደ ዝራብዕን ሓድሓደ ማጕላን ሰውኡ። በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል፤ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ክራኸበኒ እንተ መፀ፥ ክኸይድ እየ፤ እቲ ንሱ ዘርእየኒ ነገር ከዓ ኽነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ ዀረብታ ድማ ኸደ። እግዚኣብሄር ከዓ ንበለዓም ተራኸቦ፤ በለዓም ድማ “ሸውዓተ መሰውኢ ኣሰናድየ፤ ኣብ መመሰውኢ ኸዓ ዝራብዕን ማጕላን ሰዊአ ኣለኹ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍ በለዓም፥ ቃል ገበረሞ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ በል” በሎ። በለዓም ድማ ናብ ባላቅ ተመለሰ። እንሆ ኸዓ፥ ባላቅ ምስ ኵሎም ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ደው ኢሉ ነበረ። ነዓ፥ ንእስራኤል ተበኣሰለይ’ በለኒ። እግዚኣብሄር ንዘይተፃልኦ ኸመይ ኢለ ኽፃልኦ? ካብ ህዝብታት ፍሉይ ዝኾነ ህዝቢ እዩ። መወዳእታይ ከዓ ኸም ናቱ ትኹን።” ባላቅ ድማ ንበለዓም “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ እንሆ ኸዓ፥ ፈፂምካ ባረኽካዮም” በሎ። በለዓም ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብአንን እዩ?” ኢሉ መለሰሉ። ባላቅ ድማ “በይዛኻ፥ ኣብኣ ዄንካ ኽትሪኦምስ፥ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ክፋል ናይቶም ህዝቢ ኢኻ እትርኢ እምበር ንዅሎም እኳ ኣይትሪኦምን ኢኻ፤ ኣብኡ ዄንካ ንኣኣቶም ርገመለይ” በሎ። ናብ ርእሲ እታ ኣብ ጐልጐል ፆፊም ዘላ እምባ ፈስጋ ድማ ወሰዶ፤ ሸውዓተ መሰውኢታትውን ሰርሐ፤ ኣብ በብመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ። በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣነ ንእግዚኣብሄር ክራኸቦ ክኸይድ እየ እሞ ንስኻ ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም ተራኸቦ፤ ቃል ከዓ ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ ኢልካ ተዛረቦ በሎ”። በለዓም ናብ ባላቅ ምስ ተመለሰ፥ እንሆ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ባላቅ ድማ “እግዚኣብሄር እንታይ በለካ?” በሎ። ኣታ ወዲ ሴፎር፥ ናባይ ፅን በል። ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ? ኣነ ኸዓ ኽመልሶ ኣይክእልን እየ። ዕልልታ እቲ ንጉስውን ኣብ ማእኸሎም ኣሎ። ከም ናይ ሓርሽ ዝበለ ሓይሊ ኣለዎም። ‘እግዚኣብሄር፥ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ’ ኽብሃል እዩ። ደም እቶም ቅቱላቱ ከዓ ኽሳዕ ዝሰቲ፥ ኣይድቅስን።” ሽዑ ባላቅ ንበለዓም “ምርጋም ኣይትርገሞም፤ ምምራቕ ከዓ ኣይትመርቆም” በሎ። በለዓም ግና ንባላቅ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝገብር ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን?” ኢሉ መለሰሉ። ባላቅ ድማ ንበለዓም “ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፥ ኣብኣ ዄንኻ ኽትረግመለይ በይዛኻ ነዓ” በሎ። ባላቅ ድማ ንበለዓም፥ ንምድረ በዳ ኣቢሉ ናብ ዘመልክት ናብ ርእሲ እምባ ፌጎር ወሰዶ። በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢታት ስርሐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ከዓ ኣዳልወለይ” በሎ። ባላቅ ድማ ኸምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ በብመሰውኢ ኸዓ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ። በለዓም ድማ ንደቂ እስራኤል ክባርኾም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ገፁ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ መለሰ እምበር ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣስማት ክደሊ ኣይከደን። ንደቂ እስራኤል በብነገዶም ሰፊሮም ምስ ረአዮም ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ መፀ። እቲ አዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል፤ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል፤ ክንደይ ይፅብቑ! ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ፅሕድታት ተዘርጊሖም እዮም። መንግስቱውን ክትከብር እያ። ብፍላፃታቱውን ክወግኦም እዩ። ንኣኻ ዝረግም ከዓ ርጉም ይኹን።” ሽዑ ባላቅ የመና ተቘጥዐ፤ ኣእዳዉ ጨብ ጨብ ኣቢሉ ድማ ንበለዓም ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ ንስኻ ግና፥ እንሆ ሰለስተ ሻዕ መረቕካዮም። ሕዚ ድማ ናብ ገዛኻ ኺድ። ኣነ የመና ኸኽብረካ ኢለ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና ኸይትኸብር ከልአካ።” በለዓም ከዓ ንባላቅ “ነቶም ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ ‘ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ ቓል እግዚኣብሄር ጥሒሰ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ፥ ከም ድሌተይ ክገብር ኣይክእልን፤ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝዛረብ’ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን? ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ። እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል። እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል። ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ። እስራኤል ከዓ እናበርትዐ ክኸይድ እዩ። ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኸጥፍኦ እዩ።” መወዳእታኡ ግና ንጥፍኣት እዩ።” ገዛኻትኩም ከዓ ኣብ ኰዅሒ ተሰሪሑ ኣሎ። እቲ ቄናዊ ንጥፍኣት ክኸውን እዩ።” መን ኮን ብህይወት ክነብር እዩ? ንሱ ባዕሉውን ክጠፍእ እዩ።” ሽዑ በለዓም ተሲኡ ኸደ፤ ናብ ቦታኡ ኸዓ ተመለሰ። ባላቅውን ናብ መንገዱ ኸደ። ደቂ እስራኤል ሰጢም ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተቐመጡ። እቶም ህዝቢ ከዓ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ክዝምዉ ጀመሩ። ነቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽቶም ፀውዕዎም። እቶም ህዝቢ እውን ካብቲ ዝተሰውአ በልዑ፤ ንኣማልኽቶም ድማ ሰገዱ። ስለዙይ ደቂ እስራኤል ንብዔልፌጎር ኣምለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ቍጥዓኡ ነደደ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኽምለስስ፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ ወሲድካ፥ ኣብ ቅድሚ ፀሓይ ንእግዚኣብሄር ስቐሎም” በሎ። ሙሴ ድማ ንፈራዶ ደቂ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ብዔልፌጎር ዝተኸተሉ ሰብኩም፥ ቅተልዎም” በሎም። እንሆ ኸዓ ሙሴን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ደው ኢሎም እናበኸዩ እንተለዉ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኣቶም ሓንቲ ምድያማዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምፅኣ። ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ምስ ረአዮ፥ ካብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ወፀ። ኲናት ወሲዱ ኸዓ፥ ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ስዒቡ ናብታ ድንኳን ኣተወ፤ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከዓ ንኽልቲኦም ከብዶም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ኻብ ደቂ እስራኤል ተወገደ። እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኾኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ፊንሓስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ንቝጥዓይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ፤ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ከምቲ ኣነ ቐናእ ዝኾንክዎ ንኽብረይ ቀናእ ስለ ዝኾነ፥ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእኽዎምን። ስለዙይ በል፤ እንሆ፥ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። ንኣምላኹ ቐኒኡ እዩሞ፥ ንደቂ እስራኤልውን ኣተዓሪቑዎም እዩ እሞ፥ ንእኡ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ፥ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ቃል ኪዳን ክህነት ክኾነሉ እዩ።” ስም እቲ ምስታ ምድያማዊት ሰበይቲ ዝተቐትለ ሰብኣይ፥ ዘንበሪ ወዲ ሰሉ፥ ካብ ደቂ ስምኦን፥ ሹም ሓደ ማይ ቤት ነበረ። ስም እታ ዝተቐትለት ሚድያማዊት ሰበይቲ ኸዓ ከስቢ ነበረ፤ ንሳውን ጓል ሱር ነበረት። ሱር ኣብ ምድያም ናይ ሓደ ማይ ቤት ሹም ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንምድያማውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን፤ ኣብ ፌጎር ጠቢሮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ፥ ብምኽንያት ከስቢ ሓፍቶም፥ ጓል ሹም ሚድያም፥ በታ ኣብ ፌጎር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ ዝተቐትለትውን፥ ኣታሊሎም ናብ ጭንቂ ኣእትዮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ።” ድሕሪ እቲ መቕሰፍቲ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፦ “ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሉ ናብ ውግእ ክወፅእ ዝኽእል በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቍፀርዎም ኢሉ ተዛረቦም።” ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከዓ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ፦ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ እስራኤላውያን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብቲ በዅሪ ያእቆብ ዝኾነ ሮቤል ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፥ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን፥ ካብ ሔስሮን ዓሌት ሔስሮናውያን፥ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን። ዓሌታት ሮቤል ብድምር ኣርብዓን ሰለስተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ። ኤልያብ ወዲ ፈሉስ እዩ፤ ደቂ ኤልያብ ድማ፥ ነሙኤል፥ ዳታን፥ ኣቤሮን ነበሩ። እቲ ምስ ሰዓብቲ ቆሬ ኾይኖም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ምስ ዓመፁ፥ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ዝተስኡ፥ ኣብቲ ጉባኤ ስሙያት ዝነበሩ ዳታንን ኣቤሮንን እዚኣቶም እዮም። ነዚኣቶም ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ወሓጠቶም፤ በቲ ጊዜ እቱይ እታ ሓዊ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ዝበልዐትላ፥ ምስ ቆሬን ሰዓብቱን ሞቱ፤ ንህዝቢ ድማ መርኣያ መቕፃዕቲ ኾኑ። ደቂ ቆሬ ግና ኣይሞቱን። ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ነሙኤል ነሙኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ያሚን ያሚናውያን፥ ካብ ዓሌት ያኪን ያኪናውያን፥ ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን፥ ካብ ዓሌት ሳኡል ሳኡላውያን። ደቂ ስምኦን ብድምር ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ጋድ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ፅፎን ፅፎናውያን፥ ካብ ዓሌት ሓጊ ሓጋውያን፥ ካብ ዓሌት ሹኒ ሹናውያን፥ ካብ ዓሌት ኦዝኒ ኦዝናውያን፥ ካብ ዓሌት ኤሪ ኤራውያን፥ ካብ ዓሌት ኣሮድ ኣሮዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኣርኤሊ ኣርኤላውያን። ደቂ ጋድ ብድምር ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ይሁዳ፥ ኤርን ኦውናንን እዮም። ኤርን ኦውናንን ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ። ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሴሎም ሴሎማውያን፥ ካብ ዓሌት ፋሬስ ፋሬሳውያን፥ ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን። ደቂ ፋሬስ ድማ፦ ካብ ዓሌት ኤስሮም ኤስሮማውያን፥ ካብ ዓሌት ሓሙል ሓሙላውያን እዮም፤ እዚኣቶም ወገናት ይሁዳ እዮም። ደቂ ይሁዳ ብድምር ሰብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ይሳኮር ድማ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ቶላ ቶላውያን፥ ካብ ዓሌት ፉዋ ፉዋውያን፥ ካብ ዓሌት ያሱብ ያሱባውያን፥ ካብ ዓሌት ሺምሮን ሺምሮናውያን። ደቂ ይሳኮር ብድምር ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ። ካብ ዓሌት ሰረድ ሰረዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኤሎን ኤሎናውያን፥ ካብ ዓሌት ያሕልኤል ያሕልኤላውያን። ደቂ ዛብሎን ብድምር ስሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። እቶም ካብ ዓሌት ደቂ ምናሴን ኤፍሬምን ዝተወለዱ ዓሌታት ዮሴፍ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ማኪር ማኪራውያን፥ ማኪር ኣቦ ገለዓድ እዩ፤ ካብ ዓሌት ገለዓድ ገለዓዳውያን። ደቂ ገለዓድ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ዓሌት ኢዔዝር ኢዔዝራውያን፥ ካብ ዓሌት ኬሌግ ኬሌጋውያን፥ ካብ ዓሌት ኣስሪኤል ኣስሪኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ሰኬም ሰኬማውያን። ካብ ዓሌት ሸሚዳ ኸዓ ሸሚዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኦፌር ድማ ኦፌራውያን። ሰለጰኣድ ወዲ ኤፌር ግና ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስማተን ከዓ ማህለህ፥ ኑዓ፥ ኤግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ነበረ። እዚኣቶም ናይ ምናሴ ወገን እዮም ደቂ ምናሴ ብድምር ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሱቱላ ሱቱላውያን፥ ካብ ዓሌት ቤኬር ቤኬራውያን፥ ካብ ዓሌት ታሓን ታሓናውያን። ደቂ ሹተላ ኸዓ፥ ካብ ዓሌት ዔዴን ዔዴናውያን። ደቂ ኤፍሬም ብድምር ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፥ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ቤላ ቤላውያን፥ ካብ ዓሌት ኣስቤል ኣስቤላውያን፥ ካብ ዓሌት ኣኪራ ኣኪራናውያን። ካብ ዓሌት ሶፋም ሶፋማውያን። ደቂ ቤላም፥ ኣርድን ናዕማንን ነበሩ፦ ካብ ዓሌት ኣርድ ኣርዳውያን፥ ካብ ዓሌት ናዕማን ናዕማናውያን። ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፤ ብድምር ድማ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ዳን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሰምዔ ሰምዔያውያን። ኵሎም ዓሌታት ሰምዔያውያን ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ዪምና ዪምናውያን፥ ካብ ዓሌት የሱዋ የሱዋውያን፥ ካብ ዓሌት በሪዓ በሪዓውያን። ካብ ዓሌት በሪዓ ዝተወለዱ ኸዓ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሔቤር ሔቤራውያን። ካብ ዓሌት መልኪኤል መልኪኤላውያን። ኣሴር፥ ሳራ እትበሃል ጓል ነበረቶ። ደቂ ኣሴር ብድምር ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ያሕፅኤል ያሕፅኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ጉኒ ጉናውያን፥ ካብ ዓሌት ዬፅር ዬፅራውያን ካብ ዓሌት ሺሌም ሺሌማውያን። ደቂ ንፍታሌም ብድምር ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ እስራኤል ብድምር ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብቝፅሪ ስሞም ርስቲ ኾይና ትመቐል። ነቶም ብዙሓት ከም ብዝሖም፥ ነቶም ውሑዳት ከዓ ኸም ምውሓዶም ርስቲ ሃቦም፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ቍፅሩ ርስቱ ይውሃቦ። እታ ምድሪ ግና ዕፃ ብምውዳቕ ትመቐል። ነፍሲ ወከፍ ድማ ኸከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይውረስዋ። ኵሉ ርስቲ፥ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ኮነ እቶም ውሑዳት ዕፃ ብምውዳቕ ይመቐል።” እቶም በብዓሌቶም ዝተቘፀሩ ሌዋውያን ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ጌድሶን ዓሌት ጌድሶናውያን፥ ካብ ቃዓት ዓሌት ቀዓታውያን፥ ካብ ሜራሪ ዓሌት ሜራራውያን። እዞም ዝስዕቡ ካብ ዓሌት ሌዊ እዮም፦ ዓሌት ሊብናውያን፥ ዓሌት ኬብሮናውያን፥ ዓሌት ሞሖላውያን፥ ዓሌት ሙሳውያን፥ ዓሌት ቆሬኣውያን። ቀኣት ኣቦ እንበረም እዩ። ስም ሰበይቲ እንበረም ዮካብድ ነበረ። ንሳ ኣብ ግብፂ ዝተወልደት ጓል ሌዊ እያ። ንእንበረም ድማ ኣሮንን ሙሴን ማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ። ኣሮን ንናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ወለደ። ናዳብን ኣብዩድን ከዓ እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ኻልእ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ ሞቱ። እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ፥ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኮኑ። ምስ ደቂ እስራኤል ርስቲ ስለ ዘይተውሃቦም ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም። ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ ምድረ በዳ ሲና ቕድም ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእኸል እዚኣቶም ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ብዛዕባኣቶም “ርግፅ ኣብ ምድረ በዳ ኽሞቱ እዮም” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ካብኣቶም፥ ብዘይ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ማሕላ፥ ኑዓ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ዝበሃላ ኣጓላት ሰለጰኣድ ወዲ ኦፌር፥ ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ቀረባ። ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ደው ኢለን፥ “ኣቦና ኣብ ምድረ በዳ ሞተ፤ ንሱ ብሓጢኣቱ እዩ ዝሞተ እምበር፥ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝተስኡ ሰዓብቲ ቆሬ ኣይነበረን፤ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። ኣቦና፥ ወዲ ብዘይምውላዱ፥ ስለ ምንታይ ስሙ ኻብ ማእኸል ዓሌቱ ዝጠፍእ? ምስ ሓወቦታትና ርስቲ ሃበና” በላ። ሙሴ ድማ ነቲ ነገረን ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቦ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ኣጓላት ሰለጰኣድ ዝተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ምስ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን፤ እቲ ርስቲ ኣቦአን ናብኣተን ኣሕሊፍካ ሃበን። ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ሰብ፥ ወዲ እንተይሓደገ እንተ ሞተ፥ ነቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። ጓል እንተ ዘይብሉ ኸዓ ነቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሃብዎም። ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ ነቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሃብዎም። ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ ነቲ ርስቲ ኻብ ዓሌቱ ንዝቐርቦ ዘመዱ ሃብዎ፤ ንሱውን ይውረሶ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞውን፥ ንደቂ እስራኤል ስርዓትን ፍርድን ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ እምባ ዓባሪም ደይብ፤ ነታ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ ኸዓ ረአያ። ምስ ረአኻያ ድማ ኸምቲ ኣሮን ሓውካ ዝተኣከበ ንስኻውን ከምኡ ናብ ወገናትካ ኽትእከብ ኢኻ። እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ኣብ ማይ ጐይቊ ኣብ ልዕለይ ከጕረምርም እንተሎ፥ ክልቴኹም ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣይቐደስኩምንን፤ ነቲ ቓለይውን ጥሒስኩምዎ ኢኹም።” ማይ መሪባ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ዝርከብ ዓይኒ ማይ እዩ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር “ማሕበር እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ከይኾኑስ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ዝወፅእን ዝኣቱን፥ ዘውፍሮምን ዘእትዎምን፥ ንስኻ እግዚኣብሄር፥ ናይ ስጋ ዅሉ ህይወት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ማሕበር እዙይ ክመርሖ ዝኽእል ሰብ መድብ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ነቲ ቕኑዕ መንፈስ ዘለዎ ሰብ፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ ወሲድካ ኢድካ ኣንብረሉ። ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን ደው ኣቢልካ ሹሞ። ኵሉ ህዝቢ ምእንቲ ኽእዘዞ ኸዓ ስልጣንካ ሃቦ። ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ደው ይበል፤ ኣልኣዛር ከዓ ብኡሪም ገይሩ ፍቓደይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ይጠይቐሉ። ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ከዓ ብትእዛዙ ይውፅኡን ይእተዉን” በሎ። ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንኢያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደው ኣበሎ። ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረሉ፤ ኣዘዞውን። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል፥ ነቲ ጥዑም ዝጨናኡ ደስ ዘብለኒ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ መባአይ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ኸቕርቡለይ ኣዝዞም። ከምዙይ ድማ በሎም፦ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ ኸምዙይ እዩ፦ ነቲ መዓልቲ መዓልቲ ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ፥ ጐደሎ ዘይብሎም ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ጡበት ኣባጊዕ ይኹኑ። ነቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ጊሓት ሰውእዎ፤ ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ከዓ ምሸት ሰውእዎ። ንመስዋእቲ እኽሊ ብኢን መስፈሪ ራብዓይ ኢድ ተወቒጡ ብዝፀለለ ዘይቲ ዝተለወሰ ብመስፈሪ ኢፍ እዙይ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመጀመርታ ኣብ ደብረ ሲና ዝቐረበ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ምስቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ዝውፈ መስዋእቲ መስተ ሓደ ሊትሮ ይኹን። እቲ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዝፈስስ መስዋእቲ መስተ፥ ብርቱዕ መስተ ይኹን። ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ምሸት ሰውእዎ። ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርኩም ሰውእዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ። ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበት ኣባጊዕ ሰውኡ፤ ምስኡ ኸዓ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። እዙይ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ሰንበት ሰንበት ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣብ መጀመርታ ዅለን ኣዋርሕ ድማ ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። መስዋእቲ እኽሊ ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ሕሩጭ ኣቕርቡ፦ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ኣቕርቡ። እዙይ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ። መስዋእቲ መስተ ድማ መምስ ሓደ ዝራብዕ ክልተ ሊትሮ፥ ምስቲ ሓደ ማጕላ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርቡ። እዙይ ዓመት ምሉእ፥ ወርሒ ወርሒ ዝቐርብ፥ ወርሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤልን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እቲኣ ድማ በዓል ይኹን። ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ግና ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ሰውኡ። ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ኽንዲ ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ጊሓት ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እተቕርብዎ እዩ። ከምኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ፀፅባሕ መስዋእቲ ብልዒ ኣዳልዉ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን ዝስዋእ እዩ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ። ብበዓል ሰሙናት፥ በታ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ እተቕርቡላ፥ ቀዳማይ ፍረኹም እትእክቡላ መዓልቲ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ። ግና ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ክልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ። ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ። ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ሓደ ጤል ሰውኡ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ፤ ጐደሎ ዘይብሎምውን ይኹኑ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ንሳ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ ትኹነልኩም። ሽዑ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ። መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥ ነቶም ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ነንሓደ ጡበት በጊዕ ሓደ ናይ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ። ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም ድማ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ሻውዐይቲ ወርሒ እዚኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ነፍስኹም ኣዋርዱ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ክኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ፤ ኵሎም ከዓ ጐደሎ ዘይብሎም ይኹኑልኩም። ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ ምስቲ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ከዓ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ። ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈ መስዋእትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ዝቐርብ እዩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ። ዓሰርተ ሰለስተ ዝራብዕ፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፥ መምስ ሓደ ማጕላ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ሓደ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸምቲ ስሩዕ ቍፅሪ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ድማ ሸሞንተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ሸውዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ። ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ። ምስቲ ዝራብዕን ማጓሉን፥ ከምኡውን ምስቶም ጡበታት ኣባጊዕ፥ ከከምቲ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ብመብፅዓ ወይ ብድልየትኩም እተቕርብዎ መስዋእትኹም፥ በቲ ምዱብ በዓላትኩም፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን መስዋእቲ ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ንደቂ እስራኤል ነገሮም። ሙሴ ንመራሕቲ ነገድ ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ እዙይ እዩ፦ ሰብ ንእግዚኣብሄር ሓደ ነገር ክህቦ እንተ ተመባፅዐ፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢሉ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐ፥ ከምቲ ዝበሎ ደኣ ይፈፅም እምበር፥ ቃሉ ኣይዕፀፍ። “ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ነገር ክትህቦ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ብምባልውን እንተ ተመባፅዐት፥ ኣቦኣ ድማ ነቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ምስ ሰምዐ ስቕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ይፅናዕ። ኣቦኣ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ መብፅዓኣ ኸይትፍፅም እንተ ኸልከላ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይፍረስ። ዝኸልከላ ኣቦኣ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ። “ተመባፂዓ እንተላ፥ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፥ ብመብፅዓ ተኣሲራ እንተላ እንተ ተመርዐወት፥ ሰብኣያ ኸዓ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ፥ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ትፈፅም። ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ እንተ ኸልከላ ግና፥ ነቲ መብፅዓኣን ነቲ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓል መብፅዓን የትርፎ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሓድገላ እዩ። “መበለት ወይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብፅዓ እንተ ኣተወት ግና፥ ኵሉ መብፅዓኣ ትፈፅም። “ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ኽትህብ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐት፥ ሰብኣያ ኸዓ ሰሚዑ ስቕ እንተበለ እሞ፥ እንተ ዘይከልኣ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዐታት ትፈፅም። ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ንመብፅዓኣ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይተርፍ። ዝኸልከላ ሰብኣያ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ። ነቲ ‘ንእግዚኣብሄር ክህቦ እየ’ ኢላ ዝተመባፅዐቶ፥ ወይ ነቲ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ዝሓደገቶ፥ ሰብኣያ ኸፅንዖ ወይ ከትርፎ ይኽእል እዩ። ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ ግና፥ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ንፅባሒቱ ይፀንዕ። ሰሚዑ እንተሎ መዓልቲ ኣሕሊፉ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ናይታ ሰበይቲ በደል ናቱ ይኸውን።” ብጊዜ ንእስነታ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ኣብ መንጎ ኣቦን ጓልን፥ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ስርዓት እዙይ እዩ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “በቲ ምድያማውያን ዝገበርዎ፥ ንደቂ እስራኤል ሕነ ፍደየሎም፤ ብድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ክትእከብ ኢኻ።” ሙሴ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝዋግኡ ሰባት ኣዳልዉ፤ በቲ ምድያማውያን ንእግዚኣብሄር ዝበደልዎ ድማ ኸይዶም ይበቀልዎም። ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ እስራኤል ሸሽሕ ሰብ ናብ ውግእ ስደዱ።” ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ምስ ሃበ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት ንውግእ ተዳለዉ። ሙሴ ኸዓ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ሰብ ወሲዱ ምስ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ውግእ ሰደዶም። ንፊንሃስ ኣቑሑ መቕደስን ምልክት ዝገብረሉ መለኸትን ኣብ ኢዱ ሃቦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ምስ ምድያማውያን ተዋግኡ፤ ንዅሉ ተባዕታይ ድማ ቐተሉ። ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ። ነንስቲ ምድያምን ንቘልዑተንን ማረኽዎም። ኵሉ እንስሳኦምን ኵሉ ጥሪቶምን ኵሉ ኣቑሑቶምን ዘመቱ። ንዅለን ዝነብሩለን ከተማታቶምን ኵሉ ሰፈራቶምንውን ብሓዊ ኣቃፀሉ። ነቲ ዅሉ ዝማረኽዎን ዝዘመትዎን ሰብ ኮነ እንስሳ ወሰዱ። ነቶም ዝማረኽዎምን ነቲ ዝዘመትዎን ዝሰለብዎን ናብቲ ሰፈር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ናይ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ህዝቢ እስራኤልን ኣምፅእዎ። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኵሎም ሹመኛታት እቲ ህዝብን ድማ ክቕበልዎም ናብ ወፃኢ ሰፈር ወፁ። ሙሴ ኸዓ በቶም ካብ ውግእ ዝተመለሱ ኣሕሉቕ ሰራዊት፥ በቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ተቘጥዐ። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ንዅለን ኣንስቲ ብህይወት ሓደግኩምወን? እንሆ በቲ ኣብ ፌጎር ዝኾነ፥ ብምኽሪ በለዓም፥ ንደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ዘርሓቓኦም ንሳተን እየን፤ ስለዙይ ከዓ ኣብቲ ማሕበር እግዚኣብሄር፥ መዓት ኮነ። ሕዚ ድማ ተባዕታይ ዝኾነ ቕተሉ፤ ሰብኣይ ዘእተዋ ዅለን ኣንስቲ ቕተልወን። ሰብኣይ ዘየእተዋ ዅለን ኣጓላት ግና ንኣኻትኩም ክኾና ብህይወተን ሕደግወን። “ካባኻትኩም ሰብ ዝቐተለ፥ ዝተቐትለውን ዝነኽአ ኽሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ሰፈር ወፂኡ ይፅናሕ። ንሳቶምን ምሩኻቶምን ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ርእሶም የንፅሁ። ኵሉ ኽዳውንትን ኵሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዅሉን፥ ኵሉ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣንፅህዎ።” ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ኸይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት ከምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዝ ሕጊ እዙይ እዩ፦ ወርቅን ብሩርን፥ ነሃስን፥ ሓፂንን፥ ታኒካን ዓረርን፥ ኵሉ ሓዊ ዝኽእል ነገር ብሓዊ ሓሊፉ ይንፃህ፤ በቲ ዘንፅህ ማይ ከዓ ይተሓፀብ። ኵሉ ሓዊ ዘይኽእል ድማ ብማይ ይተሓፀብ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽዳውንትኹም ሕፀቡ፤ ክትነፅሁ ድማ ኢኹም፤ ሽዑ ኸዓ ናብ ሰፈር ክትኣትዉ ትኽእሉ።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻን ካህን ኣልኣዛርን መራሕቲ ማይ ቤት ናይቲ ህዝብን ኴንኩም፥ ነቲ ምርኮ፥ ሰቡን ጥሪቱን ቍፀርዎ። ነቲ ምርኮ ኸዓ ፍርቁ ነቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእቲ፥ ፍርቁ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ማዕረ ጌርኩም ምቐልዎ። ካብ ብፅሒት ናይቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ፥ ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ፍለዩ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ፍለዩ። እዙይ ካብቲ ብፅሒቶም ንእግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ክኸውን ንኻህን ኣልኣዛር ሃብዎ። ካብ ብፅሒት እቲ ህዝቢ ድማ ኸካብ ሓምሳ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ውሰዱ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ውሰዱ። ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ሌዋውያን ድማ ሃብዎም።” ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። እቲ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ዝዘመትዎ፥ ብዘይ እቲ ንርእሶም ዘትረፍዎ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሰብዓን ክልተን ሽሕ ኣላሕም፥ ስሳን ሓደን ሽሕ ኣእዱግ፥ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ዘየእተዋ ኣጓላት ኮነ። ፍርቂ ናይቲ ዝተዘምተ፥ ብፅሒት ናይቶም ኣብ ውግእ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣባጊዕ ኾነ። ካብኣተን ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ኣባጊዕ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና። ከፍቲ ድማ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ፥ ካብኣተን ሰብዓን ክልተን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና። ኣእዱግ ከዓ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ካብኣተን ስሳን ሓደን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና። ሰብኣይ ዘየእተዋ ኣጓላት ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ፥ ካብኣተን ሰላሳን ክልተን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ ግብሪ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ። ፍርቂ ናይቲ ዝተዘምተ፥ ብፅሒት ናይቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል፥ ሙሴ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ዝመቐሎም፥ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣባጊዕ፥ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ ከፍቲ፥ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣእዱግ፥ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ ድማ ኣጓላት ኮና። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ኻብዙይ ናይ ደቂ እስራኤል ብፅሒት ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፥ ከካብ ሓምሳ፥ ሓደ ወሲዱ፥ ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን ሃቦም። እቶም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝተሸሙ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ። ንሙሴ ኸዓ “ጐይታይ! ነቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ወታደራት ቈፂርናዮምስ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን። ነፍሲ ወከፍና ድማ ኻብቲ ዝረኸብናዮ ኣቕሓ ወርቂ፥ ኣልቦ፥ ኣምባር፥ ቀለበት፥ ኵትሻ፥ ድሪ፥ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽንረክብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና” በልዎ። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከዓ ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ በብዓይነቱ ኣቑሑ ተቐበልዎም። እቲ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ካብ ኣሕሉቕ ሚእትን ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ወርቂ ኽልተ ሚእቲ ኺሎ ግራም ኮነ። እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ወታደራት ነፍሲ ወከፎም ነንርእሶም ዝኸውን ማሪኾም ነበሩ። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ወሲዶም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣእተውዎ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን የመና ብዙሓት እንስሳ ነበራኦም። እንሆ ኸዓ፥ ምድሪ ኢያዜርን ምድሪ ገለዓድን ቦታ እንስሳ ኸም ዝኾነ ረአዩ። ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ሹመኛታት ደቂ እስራኤልን መፂኦም ከዓ፦ “እዘን ንሕና ደቂ እስራኤል ክንሕዘን እግዚኣብሄር ዝወቕዐን ዓዲታት፦ ዓጣሮት፥ ዲቦን፥ ኢያዜር፥ ኒምራህ፥ ሓሴቦን፥ ኤልያሊ፥ ሴባም፥ ናባ፥ ቤዖን፥ ንእንስሳ ዝተመቸዋ ዓዲታት እየን፤ ንሕና ሓሻኽርካ ድማ እንስሳ ኣለዋና። ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺብናስ፥ እዘን ዓዲታት እዚኣተን፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ርስቲ ጌርካ ሃበና፤ ንዮርዳኖስውን ኣይተሳግረና” በልዎ። ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን “ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ክኸዱ እንተለዉዶ፥ ኣብዙይ ክትተርፉ ኢኹም? ስለ ምንታይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ፥ ንደቂ እስራኤል ተስፋ እተቝርፅዎም? ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ። ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ሰለይዋ፥ ንደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኸም ዝቘርፁ ገበርዎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ እሞ ኸምዙይ ኢሉ መሓለ፦ ‘ብዘይ እቶም ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቦም ዝተኣማመኑ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛውን፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ እዞም ብምሉእ ልቦም ዘይተኣማመኑ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ሰባት፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፥ ነታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።’ እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል የመና ተቘጥዖም እሞ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ ትውልዲ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ዀለል ኣበሎም። “ኣቱም ካብ ሓጥኣን ዝተወለድኩም ሰባት፥ ነቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክተበርትዑ፥ እንሆ ኸም ኣቦታትኩም ተልዓልኩም። ንእግዚኣብሄር ምኽታል እንተ ኣበኹም፥ ንሱ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኽሓድጎም እዩ። ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ከዓ ተጥፍእዎ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ከዓ ናብኡ ቐሪቦም “ኣብዙይ ንእንስሳትና ደምበታት፥ ንደቅና ድማ ኸተማታት ክንሰርሕ ኢና፤ ንሕና ግና፥ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ኣፅዋር ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ደቅና በቶም ደቂ ዓዲ ምእንቲ ኸይፈርሑ ኣብ ዕሩዳት ከተማታት ይቀመጡ። ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ረርስቱ ኽሳዕ ዝረክብ፥ ናብ ኣባይትና ኣይንምለስን። ርስትናስ ካብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ በፂሑና እዩ እሞ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምስኣቶም ርስቲ ኣይንወርስን” በሉ። ሙሴ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እዝ ነገርዙይ እንተ ጌርኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ንውግእ ኣፅዋር እንተ ሒዝኩም፥ ንፀላእቱ ድማ ኻብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝሰጎም፥ እታ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፥ ኵሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምስ ድሕሪኡ ትምለሱ፤ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ እስራኤልን ከዓ ኻብ በደል ንፁሃት ትኾኑ፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ። “ከምኡ እንተ ዘይጌርኩም ግና፥ እንሆ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክትገብሩ ኢኹም፤ ሓጢኣትኩም ከም ዝረኽበኩም ድማ ፍለጡ። እምበኣር ንደቅኹም ከተማታት፥ ነባጊዕኹም ከዓ ደምበታት ስርሑ፤ ነቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወፀ ነገር ድማ ግበርዎ።” ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ንሙሴ “ጐይታና! ኸምቲ ዝበልካና ኽንገብር ኢና። ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኵሉ እንስሳትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ገለዓድ ይኹኑ። ንሕና ሓሻኽርካ ግና ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዝና ዅላትና ኸምቲ ጐይታና ዝበልካዮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንዋጋእ ክንሳገር ኢና” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ነሕሉቕ ማይ ቤት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኣቶም ኣዘዘ። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ፥ ምሳኻትኩም ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፥ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝአት፥ ሽዑ ነታ ምድሪ ገለዓድ ርስቲ ኽትኮኖም ሃብዎም። ኣፅዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ምሳኻትኩም ይውረሱ” በሎም። ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብር። ንሕና ኣፅዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነዓን ንሳገር፤ እቲ እንወርሶ ርስቲ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ይኹነልና” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ኸዓ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፥ መንግስቲ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እታ ሃገር ምስ ከተማታታን ኣብ ዙርያኣ ምስ ዘሎ ዓድታትን ሃቦም። ደቂ ጋድ ድማ፥ ዲቦን፥ ዓጣሮት፥ ዓሮዔር፥ ዓጥሮት ሾፋን፥ ኢያዜር፥ ዮግብሃ፥ ቤት ኒምራ፥ ቤት ሓራን ዝበሃላ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሑ፤ ደምበታት ኣባጊዕውን ሰርሑ። ደቂ ሮቤል ድማ ሓሴቦን፥ ኤልዓለ፥ ቂርያታይም፥ ናባ፥ በዓል ሜዖን (እዝ ስም እዙይ ተለዊጡ እዩ)፥ ሲብማን ዝበሃላ ኸተማታት ከም ብሓድሽ ሰርሕወን፤ ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከዓ ኻልእ ስም ኣውፅኡለን። ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ድማ ኸይዶም ንገለዓድ ሓዝዋ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከዓ ሰጐጕዎም። ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ንገለዓድ ሃቦ፤ ማኪር ከዓ ኣብኣ ተቐመጠ። ያኢር ወዲ ምናሴ ኸይዱ ዓድታት ሓዘ፤ ዓድታት ያኢር ኢሉ ኸዓ ሰመየን። ኖባህ ድማ ኸይዱ ንቕኤናትን ቍሸታታን ሓዛ፤ ብስሙ ኸዓ ኖባህ ኢሉ ኣውፅአላ። ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብሙሴን ብኣሮንን እናተመርሑ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ጕዕዞኦም ከምዙይ ነበረ፦ ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት ፀሓፈን። እተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት እዘን ዝስዕባ እየን፦ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ከተማ ራምሴ ተልዓሉ። ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ግብፃውያን እናረአይዎም፥ ብትብዓት ፅባሕ ፋሲካ ወፁ። ግብፃውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ዝቐተሎም ኵላቶም በዅሪታት ይቐብሩ ነበሩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቶምውን ፈረደ። ደቂ እስራኤል ካብ ራምሴ ተልዒሎም ኣብ ሱኮት ሰፈሩ። ካብ ሱኮት ተልዒሎም ኣብታ ኣብ ወሰን በረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ። ካብ ኤታም ተልዒሎም፥ ኣብ ምብራቕ በኣልዛፎን ናብ ዘላ ፊሃሒሮት ተመሊሶም፥ ኣብ ጥቓ ሚግዶል ሰፈሩ። ካብ መንፅር ፊሃሒሮት ተልዒሎም ብማእኸል ባሕሪ ኤርትራ ገይሮም ናብ ምድረ በዳ ተሳገሩ። ኣብ ምድረ በዳ ኤታም መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ከዓ ኣብ ማራ ሰፈሩ። ካብ ማራ ተልዒሎም፥ ናብ ኤሊም መፁ፤ ኣብ ኤሊም ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ። ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኤርትራ ሰፈሩ። ካብ ባሕሪ ኤርትራ ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ሰፈሩ። ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ኣብ ራፋቃ ሰፈሩ። ካብ ራፋቃ ተልዒሎም፥ ኣብ ኤሉስ ሰፈሩ። ካብ ኤሉስ ተልዒሎም፥ ኣብ ራፊዲም ሰፈሩ፤ ኣብኣ ድማ እቶም ህዝቢ ዝሰትይዎ ማይ ኣይነበረን። ካብ ራፊዲም ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ሰፈሩ። ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዒሎም፥ ኣብ መቓብር ምንዮት ሰፈሩ። ካብ መቓብር ምንዮት ተልዒሎም፥ ኣብ ሓፄሮት ሰፈሩ። ካብ ሓፄሮት ተልዒሎም፥ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ። ካብ ሪትማ ተልዒሎም፥ ኣብ ሬሞን ዘፋሬስ ሰፈሩ። ካብ ሬሞን ዘፋሬስ ድማ ተልዒሎም፥ ኣብ ልብና ሰፈሩ። ካብ ልብና ተልዒሎም፥ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ። ካብ ሪሳ ተልዒሎም፥ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ። ካብ ቄሄላታ ተልዒሎም፥ ኣብ እምባ ሻፍር ሰፈሩ። ካብ እምባ ሻፍር ተልዒሎም፥ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ። ካብ ሓራዳ ተልዒሎም፥ ኣብ መቅሄሎት ሰፈሩ። ካብ መቅሄሎት ተልዒሎም፥ ኣብ ታሓት ሰፈሩ። ካብ ታሓት ተልዒሎም፥ ኣብ ታራ ሰፈሩ። ካብ ታራ ተልዒሎም፥ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ። ካብ ሚትቃ ተልዒሎም፥ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ። ካብ ሓሽሞና ተልዒሎም፥ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ። ካብ ሞሴሮት ተልዒሎም፥ ኣብ ብኔያዕቃን ሰፈሩ። ካብ ብኔያዕቃን ተልዒሎም፥ ኣብ ሖርሃጊድጋድ ሰፈሩ። ካብ ሖርሃጊድጋድ ተልዒሎም፥ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ። ካብ ዮጥባታ ተልዒሎም፥ ኣብ ዔብሮና ሰፈሩ። ካብ ዔብሮና ተልዒሎም ኣብ ኤፅዮንጋብር ሰፈሩ። ካብ ኤፅዮንጋብር ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ሰፈሩ፤ ንሱውን ቃዴስ እዩ። ካብ ቃዴስ ተልዒሎም፥ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶምያስ ኣብ ዘሎ እምባ ሆር ሰፈሩ። ካህን ኣሮን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ናብ እምባ ሆር ደየበ። ኣብኡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ ኣብ እምባ ሆር ሞተ። ኣሮን ክመውት እንተሎ ወዲ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ። እቲ ኣብ ደቡብ ከነዓን ዝነብር ከነዓናዊ ንጉስ ኣራድ፥ ደቂ እስራኤል ይመፁ ኸም ዘለዉ ሰምዐ። ካብ እምባ ሆር ተልዒሎም፥ ኣብ ሴልሞና ሰፈሩ። ካብ ሴልሞና ተልዒሎም፥ ኣብ ፉኖን ሰፈሩ። ካብ ፉኖን ተልዒሎም፥ ኣብ ኦቦት ሰፈሩ። ካብ ኦቦት ተልዒሎም፥ ኣብ ወሰን ሞኣብ እትርከብ ኣብ ጋይ ሰፈሩ። ካብ ጋይ ተልዒሎም፥ ኣብ ዲቦንጋድ ሰፈሩ። ካብ ዲቦንጋድ ተልዒሎም፥ ኣብ ዓልሞንዲብላታይም ሰፈሩ። ካብ ዓልሞንዲብላታይም ተልዒሎም፥ ኣብ እምባ ዓብሪም፥ ኣብ መንፅር ናባው ሰፈሩ። ካብ እምባ ዓብሪም ተልዒሎም፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ሰፈሩ። ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ካብ ቤትየሺሞት ክሳዕ ኣቤልሰጢም፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፈሩ። እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎም ስጐጕዎም፤ ኵሉ ብእምንን ብሓፂንን ዝተሰርሐ ምስልታቶም ሰባብሩ። ኵሉ ሰፈራት ኣምልኾኦም ኣፍርሱ። ነታ ሃገር ብርስቲ ሂበኩም እየ እሞ ውረስዋ፤ ኣብኣውን ንበሩ። ነታ ምድሪ በብዓሌትኩም ብዕፃ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሃብዎም፤ ነቶም ውሑዳት ድማ ፀቢብ ርስቲ ሃብዎም። ነፍሲ ወከፍ እታ ዕፃኡ ዝበፅሐቶ ርስቱ ትኸውን፤ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ውረሱ።” ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ እንተ ዘይሰጕጕኩምዎም ግና፥ “እቶም ካብኣቶም ዘትረፍኩምዎም፥ ኣብ ኣዒንትኹም እሾዅ፥ ኣብ ጐድኒኹም ከዓ ዳንዴር ክኾኑኹም እዮም፤ ኣብታ እትነብርዋ ሃገር ከጨንቑኹም እዮም። እንተ ዘይሰጕጕኩምዎም ከምቲ ንኣኣቶም ከጥፍኦም ዝሓሰብኩ ንኣኻትኩምውን ከጥፍአኩም እየ።” እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ናብታ ርስቲ ኽትኮነኩም እትወሃበኩም ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም ዘዋስንዋ እዞም ዝስዕቡ እዮም። ብወገን ደቡብ፥ ካብቲ ብወገን ኤዶምያስ ዘሎ ምድረ በዳ ፂን ይኹን። ብወገን ምብራቕ፥ ካብቲ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ወሰንኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዘይሩ ናብ ፂን ይሕለፍ፤ ብደቡብ ቃዴስ በርኔ ኣቢሉ ድማ ይውፃእ። ብሓፀርኣዳር ወፂኡ ኸዓ ናብ ዓፅሞን ይሕለፍ። ካብ ዓፅሞን ከዓ እቲ ወሰን ናብ ሩባ ግብፂ ይዙር፤ ናብቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕሪ ወሰን ይኹነልኩም። ብወገን ሰሜን ወሰንኩም ከምዙይ ይኹን፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ እምባ ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ። ካብ እምባ ሆር ድማ ኽሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ፅዳድ ይውፃእ። እቲ ወሰን ከዓ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓፃርዔናን ይውፃእ፤ ናይ ሰሜን ወሰንኩም እዙይ ይኹን። ናይ ምብራቕ ወሰንኩም ከዓ፥ ካብ ሓፃርዔናን ክሳዕ ሴፋማ ምልክት ግበረሉ። እቲ ወሰን ድማ ኻብ ሴፋማ ናብ ሪብላ፥ ንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፤ እቲ ወሰን ከዓ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብፃሕ። እቲ ወሰን ብፈለግ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ጨው ይብፃሕ። ሃገርኩም ምስቲ በርባዕተ ወገና ዘሎ፥ ወሰና እዙይ እዩ። ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ርስቲ ምእንቲ ኽትኮነኩም ነዛ ምድሪ እዚኣ ዕፃ ኣውዲቕኩም ተማቐልዋ። እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትወሃብ ዝኣዘዘ እዚኣ እያ። ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤቶም፥ ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኸከም ማይ ቤቶም፥ ፈረቓ ነገድ ምናሴውን ከምኡ ረርስቶም ሒዞም እዮም እሞ። እዞም ክልተ ነገድን እዝ ፈረቓ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ረርስቶም ሒዞም ኣለዉ። መሊሱ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዝመቕሉልኩም ሰባት፥ ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እዮም። ንምምቓል እታ ምድሪ ዝሕግዝዎም ድማ ኸካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰድ። ስማቶም ድማ እዙይ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ። ካብ ነገድ ስምኦን፥ ሰላምኤል ወዲ ዓሚሁድ። ካብ ነገድ ብንያም፥ ኤልዳድ ወዲ ኪስሎን። ካብ ነገድ ዳን፥ ቡቂ ወዲ ዮግሊ። ካብ ደቂ ዮሴፍ፥ ካብ ነገድ ምናሴ፥ ኣኒኤል ወዲ ሱፊድ። ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ቀሙኤል ወዲ ሺፍጣን። ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ኤሊሳፈን ወዲ ፈርናክ። ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ፊልጢኤል ወዲ ሖዛ። ካብ ነገድ ኣሴር፥ ኣሒሁድ ወዲ ሰሌሚ። ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ ፈዳሄል ወዲ ዓሚሁድ። እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ርስቲ ኽመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም። እግዚኣብሄር ንሙሴ፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ መንፅር ኢያሪኮ፥ ከምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል፥ ካብቲ ዝወርስዎ ምድሪ ንሌዋውያን ዝነብሩለን ከተማታት ክህብዎም ኣዝዞም። ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ ምድሪ ንሌዋውያን ይሃብዎም። እተን ከተማታት ንመቐመጢ ይኹናኦም። እቲ ኣብ ከባቢአን ዘሎ ምድሪ ድማ ንኸፍቶምን ንጥሪቶምን ንዅሉ እንስሳኦምን ይኹን። እቲ ንሌዋውያን እትህብዎም ኣብ ከባቢ ኸተማታት ዘሎ ምድሪ፥ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ ስፍሓቱ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሜትር ይኹን። ብወፃኢ ኸተማ ብወገን ምብራቕ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ደቡብ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ምዕራብ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ሰሜን ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር ዓቅኑ። እታ ኸተማ ኣብ ማእኸል ትኹን። እዙይ ከዓ ኣብ ከባቢ እተን ከተማታት ይኹነሎም። እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ሽዱሽተ ኸተማታት፥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን፥ መዕቘቢ ይኹና። ብተወሳኺ ድማ ኣርብዓን ክልተን ከተማታት ሃብዎም። እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት፥ ኵለን ኣርብዓን ሸሞንተን ከተማታት፥ መምስ ከባቢአን ይኹና። እተን ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል እትህብዎም ከተማታት ድማ፥ ካብቶም ብዙሕ ዘለዎም ብዙሕ፥ ካብቶም ውሑድ ዘለዎም ውሑድ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እቲ ዝወርሶ ርስቱ ኻብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ንስኻትኩም ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥ ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን ከተማታት ፍለዩ። እቲ ቐታሊ ሰብ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ንፍርዲ ደው እንተይበለ ኣይሙት። እዘን ከተማታት እዚኣተን ካብቲ ፈዳዪ ሕነ መዕቘቢ ይኹናኹም። እተን መዕቘቢ ክኾናኹም እትህብወን ከተማታት ሽዱሽተ ይኹና። እተን መዕቘቢ ኸተማታት፥ ሰለስተ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ፥ ሰለስተ ኸዓ ኣብ ምድሪ ከነዓን ይኹናልኩም። ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ እስራኤላዊ ወይ ጓና ወይ ምስኣቶም ዝነብር ስደተኛ ናብኣተን ምእንቲ ኽሃድም፥ እዘን ሽዱሽተ ኸተማታት እዚኣተን መዕቘቢ ይኹና። ሓደ ሰብ ብሓፂን ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኽቐትል ብዝኽእል እምኒ ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኽቐትል ብዝኽእል ኣቕሓ ዕንፀይቲ ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። እቲ ፈዳዪ ሕነ፥ ነቲ ቐታሊ ሰብ ምስ ረኸቦ ባዕሉ ይቕተሎ። ብፅልኢ ደፊኡ እንተ ቐተሎ፥ ወይ ተፀናትዩ ዝኾነ ደርቢዩ እንተ ቐተሎ፥ ወይ ፅልኢ ነይርዎ ብኢዱ ወቒዑ እንተ ቐተሎ፥ እቲ ዝወቕዐ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። እቲ ፈዳዪ ሕነ፥ ነቲ ቐታሊ ሰብ ምስ ረኸቦ ይቕተሎ። ብፅልኢ ዘይኮነስ፥ እንተይፈለጠ እንተ ደፍኦ ግና፥ ፀላኢኡ ኸዓ እንተ ዘይነበረ፥ ወይ ከዓ ንኽፉእ እንተይሓሰበ፥ ወይ እንተይተፀናተወ ሓደ ነገር እንተ ደርበየሉ፥ ወይ እንተይረኣዮ ኽቐትል ዝኽእል እምኒ እንተ ደርበየሉ፥ እሞ እንተ ሞተ፥ ሽዑ እቲ ባይቶ ኣብ መንጎ እቲ ወቓዕን፥ ኣብ መንጎ እቲ ፈዳዪ ሕነን፥ ከምዙይ ገይሩ ይፍረድ፦ ነቲ ቐታሊ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ሕነ የድሕኖ፤ ናብታ መዕቘቢት ክትኮኖ ሃዲሙላ ዝነበረ ኸተማ ድማ ይምለሶ። እቲ ብቅዱስ ቅብኢ ዝተቐብአ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውት ኣብኣ ይፅናሕ። እቲ ቐታሊ፥ ካብ ወሰን እታ ሃዲሙ ተዓቚቡላ ዘሎ ኸተማ እንተ ወፀ ግና፥ እቲ ፈዳዪ ሕነ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ወሰን እታ ተዓቚቡላ ዘሎ ኸተማ እንተ ረኸቦ እሞ እንተ ቐተሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን። እቲ ቐታሊ ሰብ፥ እቲ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውት፥ ኣብታ ዝተዓቝበላ ኸተማ ኽፀንሕ ይግብኦ፤ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ካህናት ግና፥ ናብታ ምድሪ ርስቱ ኽምለስ ይኽእል እዩ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ሃገር፥ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ፍርዲ ይኹነልኩም። ሰብ ዝቐተለ ዅሉ ብኣፍ መሰኻኽር ይቀተል። ሓደ ብዝመስከሮ ግና ንሞት ኣየፍርዶን እዩ። ካብቲ ሞት ዝግብኦ ቐታሊ ሰብ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ፤ ይሙት ደኣ እምበር ኣይትቀበሉ። ስለ እቲ ናብታ መዕቘቢት ከተማ ዝሃደመ፥ ሊቀ ካህናት እንተይሞተ ምእንቲ ናብ ዓዱ ኽምለስ ኢልኩም፥ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ። ደም ምፍሳስ ነታ ሃገር የርክሳ እዩ እሞ፥ ነታ ዘለኹምዋ ሃገር ኣይተርክስዋ። እታ ብደም ዝረኸሰት ሃገር፥ ብደም እቲ ደም ዘፍሰሰ እያ እትነፅህ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ዝሓድር እየ። ነታ ኣነ ኣብ ማእኸላ ዝሓድራ፥ ንስኻትኩም ድማ እትነብርዋ ሃገር፥ ኣይተርክስዋ። መራሕቲ ዓሌት ደቂ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ መፁ፤ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት፥ መራሕቲ ዓሌት ደቂ እስራኤልን ከዓ ተዛረቡ። “እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ብዕፃ ኽትህቦም ኣዘዘካ። ከምኡውን ንርስቲ ሰለጵአድ ሓውና፥ ነጓላቱ ኽትህበን ኣዘዘካ። ንሳተን ናብ ሓደ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት እስራኤል እንተ ተመርዓዋ፥ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽውሰድ እዩ፤ ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ድማ ኽውሰኽ እዩ። በዝ ኸምዙይ ካብቲ ብዕፃ ዝወረስናዮ ርስቲ ኽንከ እዩ። ንደቂ እስራኤል ዓመት ኢዮቤልዩ ምስ ኮነሎም፥ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ክውሰኽ እዩ። ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽንከ እዩ” በሉ። ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነገድ ደቂ ዮሴፍ ዝተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣጓላት ሰለጵአድ ዝኣዘዞ ኸምዙይ እዩ፦ ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦታተን ጥራሕ ደኣ ይኹን እምበር ዝደለያኦ ይመርዓዋ። ነፍሲ ወከፍ ካብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደኣ ይፅናዕ እምበር፥ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ። ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ጓል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ርስቲ ኣቦታቱ ምእንቲ ኽወርስ፥ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትመርዖ። ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይፅናዕ እምበር፥ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።” ኣጓላት ሰለጵአድ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበራ። ኣጓላት ሰለጵአድ፥ ማሕላ፥ ቲርፃ፥ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ኖዓ፥ ካብ ደቂ ሓወቦታተን ተመርዓዋ። ካብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተመርዓዋ፤ ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኣተን ተረፈ። እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዙይ እዩ። ሙሴ፥ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ እንተለዉ ዝነገሮም ቃል እዙይ እዩ። ንሳቶም ኣብ ጥቓ ሱፍ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ፥ ኣብ መንጎ ፋራንን ቶፌልን ላባንን ሓፃሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጐልጐል ነበሩ። ካብ ኮሬብ ብመንገዲ እምባ ሴይር ኣቢልካ ኽሳዕ ቃዴስ በርኔ፥ መንገዲ ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ እዩ። ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ሙሴ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ክነግሮም ዝኣዘዞ ተዛረበ። እዙይ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ኣስታሮት ኣብ ኤድረዒይ ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ዝኾነ እዩ። ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ነዝ ሕጊ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ኽገልፆ ጀመረ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኣብ ኮሬብ ‘ኣብዝ እምባዙይ ዝተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም፤ ካብዙይ ተልዒልኩም ተጕዓዙ፤ ናብ እምባ ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዅሉን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስን ናብ ደጕዓን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ናብ ሊባኖስን፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስን እውን ኪዱ። እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃም፥ ንይስሓቅ፥ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኦም ከዓ ንዘርኦም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ እንሆ ሂቡኩም ኣሎ፤ እተውዋን ውረስዋን’ ” ኢሉ ተዛረበና። በቲ ዘመን እቱይ ከምዙይ ኢለ ተዛረብኩኹም፦ “ኣነ በይነይ ክፆረኩም ኣይክእልን እየ። ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክሳዕ እትኾኑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም ኣሎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈወኩም፥ ሽሕ ጊዜ የብዝሕኹምን ይባርኽኩምን። እቲ ድኻምኩምን ጐይቊኹምን እዝ ከቢድ ሸኽሚ ከመይ ገይረ በይነይ ክፆሮ? ካባኻትኩም ለባማትን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ምረፁ እሞ ኣሕሉቕኩም ክገብሮም እየ።” “ንስኻትኩም ድማ ‘እቲ ኽንገብሮ ዝነገርካና ነገር ፅቡቕ እዩ’ ኢልኩም መለስኩምለይ። “ሽዑ ነቶም ጥበበኛታትን ፈላጣትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ነገዳት መረፅኩ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ገይረ፥ ኣብ ልዕሌኹም ኣሕሉቕ ገበርኩዎም። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፤ ኣብ መንጎ ሰብን ሓዉን፥ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓናውን ብቕንዕና ፍረዱ። ነቲ ዓብዪ ኸም እትሰምዕዎ፥ ነቲ ንእሽተይውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፥ ብፍርዲ፥ ገፅ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ብፍርዲ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ዝበርትዐኩም ነገር እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣነ ኽሰምዖ ናባይ ኣምፅእዎ’ ኢለ ኣዘዝኩዎም። በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኵሉ ኽትገብርዎ ዘለኩም ኣዘዝኩኹም።” “ካብ ኮሬብ ተልዒልና ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና፥ በቲ ዝረአኹምዎ ዓቢይን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ናብ ደጕዓ ኣሞራውያን ከድና፤ ናብ ቃዴስ በርኔ ኸዓ መፃእና። ኣነ ድማ ‘ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ደጕዓ ኣሞራውያን መፂእኹም ኣለኹም። እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ሃበኩም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም ድማ ደይብኩም ውረስዋ፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትሸበሩ’ በልኩኹም። “ንስኻትኩም ከዓ፥ ኵልኻትኩም ናባይ መፂእኹም፥ ‘በየናይ መንገዲ ኸም እንድይብ፥ ናበየንአን ከተማታትውን ከም እንኣቱ ተመሊሶም ክነግሩና ነታ ሃገር ዝስልሉልና ቕድሜና ሰባት ንስደድ’ በልኩምኒ። እቲ ነገር ባህ ኣበለኒ፤ ስለዙይ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ካባኻትኩም ወሰድኩ። ከይዶም ድማ ናብ ደጕዓ ደየቡ፤ ናብ ለሰ ኤሽኮል በፂሖምውን ሰለይዋ። ካብ ፍረ እታ ምድሪ እውን ብኢዶም ወሰዱ፤ ናባና ኸዓ ኣምፅእዎ። ‘እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ምድሪ ፅብቕቲ እያ’ ኢሎም ድማ መልሲ ነገሩና። “ንስኻትኩም ግና ኽትድይቡ ኣይፈተኹምን፤ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ዓመፅኩም። ኣብ ውሽጢ ድንኳናትኩም ኴንኩም ድማ ኸምዙይ እናበልኩም ኣጕረምረምኩም፤ ‘እግዚኣብሄር ስለ ዝፀልአና፥ ምእንቲ ኸጥፍኡና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኽህበና፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅአና። ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ? እቶም ህዝቢ ብዙሓት እዮም፤ ቁመቶምውን ካባና ዝነውሑ እዮም። እተን ከተማታት ድማ ዓበይትን ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሓን ዝተዓረዳን እየን፤ ንደቂ ዔናቅውን ኣብኡ ረአናዮም፥ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣፍርሕዎ’ በልኩም። “ኣነውን ‘ብኣኣቶም ኣይትደንግፁን ኣይትፍርሑን በልኩኹም። እቲ ቐቅድሜኹም ዝኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዅሉ ኣብ ግብፂ ኽገብረልኩም ዝረአኹምዎ፥ ክንዳኻትኩም ክዋግአልኩም እዩ። ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም። “ምስ እዝ ዅሉ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይኣመንኩምን። ንሱ እትሰፍሩሉ ቦታ ኽደልየልኩም፥ እትኸድዎ መንገዲ ድማ ኸርእየኩም፥ ለይቲ ብሓዊ፥ መዓልቲ ኸዓ ብደመና ቐቅድሜኹም ከይዱ እዩ። “እግዚኣብሄር ነቲ ድምፂ ቓላትኩም ሰሚዑ ተቘጥዐ፤ ‘ካባኻትኩም፥ ካብዝ ክፉእ ትውልዲ፥ ነታ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ዝመሓልኩሎም ፍርያም ምድሪ ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ። ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ጥራሕ እዩ ዝኣትዋ። ንሱ ኽሪኣ እዩ፤ ብምሉእ ልቡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣሚኑኒ እዩ እሞ እታ ኽስልያ ዝረገፃ ምድሪ፥ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ’ ኢሉ ኸዓ መሓለ። “ነኣይውን ብሰንክኹም እግዚኣብሄር ተቘጥዐኒ፤ ‘ንስኻ እውን ኣይትኣትዋን ኢኻ። እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝቐውም ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና ኽኣትዋ እዩ። ንሱ ነታ ምድሪ ንእስራኤል ከውርሶም እዩ እሞ ኣተባብዓዮ። እቶም ክማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም፥ እቶም ሎሚ ፅቡቕን ክፉእን ዘይፈልጡ ደቅኹም፥ ንሳቶም ክኣትዉዋ እዮም፤ ነታ ምድሪ ንኣኣቶም ክህቦም እየ፤ ክወርስዋ ኸዓ እዮም። ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፤ ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ናብ ምድረ በዳ ኣቢልኩም ኪዱ’ በለኒ። “ሽዑ ‘ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና፤ እምበኣር ክንድይብ እሞ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና ኽንዋጋእ ኢና’ ኢልኩም መለስኩምለይ፤ ነፍሲ ወከፍኩምውን ኣፅዋርኩም ዓጢቕኩም ናብ ደጕዓ ኽትድይቡ ተዳሎኹም። “እግዚኣብሄር ድማ ‘ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ኣይኮንኩን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ምእንቲ ኸይትሰዓሩ፥ ናብ ደጕዓ ኣይትደይቡ፤ ኣይትዋግኡውን፥ በሎም’ በለኒ። “ኣነ ድማ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፤ ብድፍረትኩም ናብቲ ደጕዓ ደየብኩም እምበር ኣይሰማዕኹምንን። እቶም ኣብቲ ደጕዓ ዝነብሩ ኣሞራውያን ድማ ወፂኦም ተዋግኡኹም፤ ከምቲ ንህቢ እተሳጕጎ ድማ ኣሳጐጕኹም፤ ካብ ሴይር ጀሚሮም ክሳዕ ሔርማ ወቕዑኹም። ተመሊስኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በኸኹም፤ እግዚኣብሄር ግና ድምፅኹም ኣይሰምዐን፤ ናባኻትኩምውን ኣይጠመተን። ስለዙይ ከም መጠን እቲ ዝተቐመጥኩምሉ ዘመን፥ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም። “ካብኡ ተመሊስና ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፥ ብመንገዲ ምብራቓዊ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልና ንምድረ በዳ ገፅና ተጕዓዝና። ንእምባ ሴይር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ።” እግዚኣብሄር ድማ ከምዙይ ኢሉ ተናገረኒ፦ “ነዝ እምባዙይ ምዛር ይኣኽለኩም፤ ተመሊስኩም ናብ ሰሜን ኪዱ። ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፤ ብወሰን እቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ደቂ ኤሳው፥ ክትሓልፉ ኢኹም፤ ንሳቶም ይፈርሑኹም እዮም፤ ግና የመና ተጠንቀቑ። ኣይትዋግኡዎም፤ ደጕዓ ሴይር ንኤሳው ርስቲ ገይረ ሂበዮ እየ እሞ፥ ካብታ ምድሮም መርገፂ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ። እንጀራ፥ ካብኣቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ብልዑ፤ ማይውን ካብኣቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ስተዩ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ተግባር ኢድኩም ባሪኹኩም እዩ፤ በዝ ዓብዪ ምድረ በዳ እዙይ ክትጕዓዙ እንተለኹምውን ሓልዩኩም እዩ። በዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ነበረ፤ ሓደ እኳ ኣየጕደለልኩምን።” ነቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ሓሊፍና ድማ፥ ካብታ ኻብ ኤላትን ካብ ዔፅዮንጋብርን እተውፅእ ናብ ባሕሪ ጨው እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ ዔር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፥ ካብኣ ርስቲ ኣይህበኩምን እየ። ስለዙይ ንሞኣባውያን ኣይትሃውኮም፤ ኣይትዋግኣዮምውን” በለኒ። (ቅድም ሓደ ዓቢይን ብዙሕን ኤሚም ዝበሃል ህዝቢ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ፤ ከም ዔናቃውያን ድማ ነዊሕ ዝቑመቶም ሰባት ነበሩ። ንሳቶም ከምቶም ዔናቃውያን፥ ረፋውያን ይብሃሉ ነበሩ። ሞኣባውያን ግና ኤሚም ኢሎም ይፅውዕዎም ነበሩ። ሖራውያን ድማ ቕድም ኣብ ሴይር ይቕመጡ ነበሩ፤ ደቂ ኤሳው ግና፥ ከምቲ ደቂ እስራኤል ነታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኽወርስዋ እንተለዉ ዝገበርዎ፥ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፊኦም ኣብ ቦታኣቶም ተቐመጡ።) እግዚኣብሄር ድማ፦ “ተስኡ ንሩባ ዘሬድ ተሳገርዎ” በለና። ንሩባ ዘሬድ ድማ ተሳገርናዮ። ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ሩባ ዘሬድ እንሳገር ዝተጕዓዝናሉ ዘመን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሓለሎም ትውልዲ እቶም ሰልፈኛታት ክሳዕ ዝጠፍእ፥ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ኮነ። ካብ ማእኸል ሰፈር ተቘሪፆም ክሳዕ ዝጠፍኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረት። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኵሎም እቶም ሰልፈኛታት ሰባት ምስ ጠፍኡ፥ ካብ ማእኸል ህዝቢ እውን ሞይቶም ምስ ተወድኡ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተናገረኒ፦ ሎሚ ንስኻትኩም ብዔር ኣቢልኩም ብወሰን ሞኣብ ክትሓልፉ ኢኹም። ናብ ደቂ ኣሞን ምስ ቀረብኩም፥ ኣይትሃውኹዎም፤ ኣይትዋግኡዎምውን። ንደቂ ሎጥ ርስቲ ሂበዮም እየ። ስለዙይ ካብ ርስቲ ደቂ ኣሞን ሓደ እኳ ኣይህበኩምን እየ። (እዛ ምድሪ እዚኣ ረፋውያን ይነብርዋ ስለ ዝነበሩ፥ ምድሪ ራፋይም ኢሎም ይፅውዕዋ ነበሩ። ኣሞናውያን ግና ዘምዙማውያን ይብልዎም ነበሩ። ከም ዔናቃውያን፥ ዓቢይን ብዙሕን ህዝቢ፥ እቶም ሰባት ድማ ነዊሕ ዝቑመቶም ነበሩ። ግና እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፍኦም እሞ፥ ንኣኣቶም ሰጐጎም፤ ኣብ ቦታኣቶምውን ተቐመጡ። እግዚኣብሄር ኣብ ሴይር ንዝነበሩ ደቂ ኤሳው ከም ዝገበረሎም፥ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፍኦም፤ ንኣኣቶም ሰጒጎም ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ቦታኣቶም ተቐመጡ። ነቶም ኣብተን ክሳዕ ጋዛ ዝበፅሓ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ዝነበሩ ዓዋውያን ድማ፥ ካብ ከፍቶር ዝወፁ ኮፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፤ ኣብቲ ቦታኣቶም ድማ ተቐመጡ።) እግዚኣብሄር ድማ “ሕዚ ተስኡ፤ ተጕዓዙውን፤ ንፈለግ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ፥ ንሴዎን ኣሞራዊ፥ ንጉስ ሓሴቦን ምስ ኵሉ ምድሩ ኣብ ኢድኩም ሂበኩም ኣለኹ፤ ምስኡ ኸዓ ተዋግኡ እሞ ምድሩ ውረሱ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብታት፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብኣኻትኩም ከም ዘንቀጥቅጡን ከም ዝሽበሩን ክገብሮም እየ። ወረኹም ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ቅድሜኹም ክፈርሑን ራዕዲ ድማ ኽሕዞምን እዩ” በለና። ካብ ምድረ በዳ ቅዴሞት ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን፥ እዝ መልእኽቲ ሰላም እዙይ ዝሓዙ ሰባት ሰደድኩሉ፦ “ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ንየማንን ንፀጋምን እንተየግለስና በቲ ጐደና ኽንከይድ ኢና። እንበልዖ እንጀራ ብገንዘብ ሽጠልና፤ እንሰትዮ ማይውን ብገንዘብ ሃበና። ንእግርና ጥራሕ ኣሕልፈና። ከምቲ ኣብ ሴይር ዝነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዔር ዝነብሩ ሞኣባውያንን ዝገበሩልና ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበና ምድሪ ንፈለግ ዮርዳኖስ ክንሳገር ፍቐደልና” በልክዎ። ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸምዝ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድና ኽህበና፥ ንመንፈሱ ኣትረሮ፤ ንልቡ ኸዓ ተፃራሪ ገበሮ እሞ ኸሕልፈና ኣይደለየን። እግዚኣብሄር ከዓ “እንሆ፥ ንሴዎንን ንምድሩን ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፈ ምሃብ ጀሚረ ኣለኹ፤ ስዒርካ ንምድሩ ክትወርስ ከዓ ጀምር” በለኒ። ሴዎን ድማ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኽዋግአና ናብ የሃፅ ወፀ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና፤ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን ከዓ ቐተልናዮም። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንዅለን ከተማታቱ ሓዝናየን፤ ንዅለን ከተማታቱ ምስ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ እንተየትረፍና ፈፂምና ኣጥፋእናዮም። ነተን ከፍቲ ዘመትናየን፤ ነተን ከተማታትውን ወረርናየን። ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር፥ በታ ኣብ ፈለግ ዘላ ኸተማ ኽሳዕ ገለዓድ ዘለዋ ኸተማታት ሓንቲ እኳ ብምንዋሕ ዕርዳ ዝበርትዐትና ኣይነበረትን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዅለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና። ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኸልከለና፥ ናብ ምድሪ ደቂ ኣሞንን፥ ናብ ኵሉ ወገን ፈለግ ያቦቅን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበራ ኸተማታትን ኣይቀረብናን። “ተመሊስና ድማ ብመንገዲ ባሳን ደየብና። ዓግ ንጉስ ባሳን ከዓ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኽዋግአና ወፀ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንእኡን ንዅሉ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ እሞ፥ ኣይትፍርሓዮ። ከምቲ ኣብ ሓሴቦን ንዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ንእኡ ድማ ኸምኡ ኽትገብሮ ኢኻ’ በለኒ። “ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዓግ ንጉስ ባሳንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሃበና፤ ሓደ እኳ እንተየትረፍና ወዳእናዮም። በታ ጊዜ እቲኣ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ እትብሃል ግዝኣት ዓግ ምስ ኵለን ከተማታታ ሓዝናያ፤ ካብተን ስሳ ኸተማታቱ ዘይሓዝናያ ቦታ ኣይነበረትን። ኵለን እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ብነዊሕ መካበብያ ዝተዓረዳ፤ ብመዓፁን መሸጐርን ዝፀንዓ ነበራ። ዘይተዓረዳ ኸተማታት እውን ብዙሓት ነበራ። ከምቲ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ዝገበርናዮ ድማ ፈፂምና ኣጥፋእናዮም። ንዅለን ከተማታት ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ፈፂምና ኣጥፋእናዮም። ንዅለን ከፍቶም ዘመትናየን፤ ንኸተማታቶምውን ወረርናየን። “ነታ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንዔም፥ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገር፥ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ። (ሲዶናውያን ንእምባ ኣርሞንዔም ሲርዮን ይብልዎ፤ ኣሞራውያን ግና ሰኒር ይብልዎ።) ኵሉ እቲ ንጉስ ዓግ ዝገዝኦ ናይ ባሳን ምድሪ ሓዝናዮ፤ ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታትን ናይ ገለዓድን ናይ ባሳንን ክፍለ ሃገር ክሳዕ ከተማታት ሰልካናን ኤድራይን ሓዝናየን። ካብቶም ዝተረፉ ረፋውያን ዓግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። ዓራቱ፥ ንውሓቱ ኣርባዕተ ሜትር፥ ስፍሓቱ ኣስታት ክልተ ሜትር ዝኾነ ዓራት ሓፂን ነበረ። ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን ኣሎ። “ነዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ወረስናያ፥ ነቲ ብሰሜን ከተማ ኣሮዔር፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኣርኖን ዘሎን፥ ፍርቂ ደጕዓ ገለዓድ ምስ ናይ ከተማታታን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሃብኩዎም። ነቲ ዝተረፈ ምድሪ ገለዓድን ኵላ መንግስቲ ዓግን ድማ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ሃብክዎም። (እታ ኣብ ባሳን ዘላ ሃገር ኣርጎብ ብምልእታ ሃገር ረፋውያን ትብሃል።) ያኢር ወዲ ምናሴ፥ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካታውያንን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፥ ንባሳን ሓዛ። ብስሙ ድማ ሰፈራት ያዒር ተብሂላ ኽሳዕ ሎሚ ትፅዋዕ ኣላ። ንማኪር ድማ ንገለዓድ ሃብክዎ። ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ኻብ ገለዓድ ክሳዕ ፈለግ ኣርኖን ሃብክዎም። እቲ ወሰን ኣብ ማእኸል እቲ ሩባ ነበረ፤ ክሳዕ እቲ ምስ ኣሞራውያን ዘዋስን ፈለግ ያቦቅ ይበፅሕ ነበረ። ብምዕራብ ከዓ ምስ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ካብ ኪኔሬት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ “በታ ጊዜ እቲኣ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትወርስዋ ሂቡኩም እዩ፤ ሰብ ሓይሊ ዝኾንኩም ኣፅዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ተሳገሩ። ግና ብዙሓት ከፍቲ ኸም ዘለዋኹም እፈልጥ እየሞ፥ ኣንስትኹምን ደቅኹምን ከፍትኹምን ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ። እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ከማኻትኩም ክሳዕ ዘዕርፎም፥ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርስዋ፥ ፅንሑ። ድሕሪቱይ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሃብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ’ ኢለ ኣዘዝኩኹም። “በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኢያሱ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ ኣዒንትኹም ሪአን ኣለዋ፤ ነተን ክትወርስወን ዘለኩም ኵለን መንግስታት ከዓ እግዚኣብሄር ከምኡ ኽገብር እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም’ ኢለ ኣዘዝክዎ። “በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣነ ንእግዚኣብሄር ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ንባርያኻ ዕቤትካን ሓይልኻን ኽተርእየኒ ጀመርካ። ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ክገብር ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለንሞ። ነዛ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ፍርያም ምድሪ፥ ነቲ ፅቡቕ ደጕዓን ንሊባኖስን፥ ክርኢ በይዛኻ ኣሕልፈኒ?’ ኢለ ለመንክዎ። እግዚኣብሄር ግና ብሰንክኹም ተቘጥዐኒ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበየኒ። ኣስዒቡ ድማ ‘ይኣኽለካ፤ በዝ ነገር እዙይ መሊስካ ኣይትዛረበኒ። ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ እሞ፥ ናብ ርእሲ ፈስጋ ደይብ፤ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸዓ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ጠምት። ኢያሱ ግና ቐቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ ክሓልፍ፥ ንሱ ኸዓ ነዛ እትሪኣ ዘለኻ ምድሪ ኸውርሶም እዩ እሞ፥ ንእኡ ኣዝዞን ኣፀናንዓዮን ኣተባብዓዮንውን’ በለኒ። “ኣብ ጥቓ ቤተፌጎር ኣብ ዘሎ ለሰ ድማ ተቐመጥና። “ሕዚ ድማ፥ ኦ እስራኤል! ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ኣነ ኽትገብርዎ ኢለ ዝምህረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ። ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ኣይትወስኹ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይትነክዩ። “እግዚኣብሄር ኣብ ብዔልፌጎር ዝገበሮ፥ በዒንትኹም ርኢኹም ኣለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሎም ንበዓል ፌጎር ዝተኸተሉ ሰባት ካብ ማእኸልኩም ኣጥፍኦም፤ ንስኻትኩም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዝተኸተልኩም፥ ኵልኻትኩም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ኣለኹም። “እንሆ፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር ምእንቲ ኽትፍፅምዎ፥ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ ሕግጋትን ፍርድታትን መሃርኩኹም። እዚኣተን ከዓ ንኣኻትኩም ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን፤ ስለዙይ ሓልዉወንን ፈፅምወንን። ህዝብታት ንዅሉ እዝ ሕግጋት እዙይ ሰሚዖም ‘እዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ብሓቂ ፈላጥን መስተውዓልን ህዝቢ እዩ’ ኽብሉ እዮም። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዅልሻዕ እንትንፅውዖ ዝቐርበና፥ ከምኡ ኣምላኹ ዝቐርቦ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ? ከምዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዘንብራ ዘለኹ ኵላ ሕጊ ዝበለ ቕኑዕ ሕግጋትን ፍርድታትን ዘለዎ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ? “እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም። በታ ኣብ ኮሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቖምኩምላ መዓልቲ፥ ‘እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ንኣይ ምፍራሕ ምእንቲ ኽመሃሩን ንደቆም ድማ ምእንቲ ኽምህርዎምን፥ ቃለይ ክሰምዑ ናባይ ኣክቦም’ ኢሉ እግዚኣብሄር ተዛረበኒ። ንስኻትኩም ድማ ቐረብኩም፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ደው በልኩም። እቲ እምባ እውን ክሳዕ ማእኸል ሰማይ ይነድድ ነበረ፤ ፀልማትን ደመናን ጣቓን ድማ ነበረ። እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ተዛረበኩም፤ ድምፂ ዘረባኡ ሰማዕኹም፤ ድምፂ ጥራሕ ሰማዕኹም እምበር፥ መልክዕስ ከቶ ኣይረአኹምን። እቲ ኽትፍፅምዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳኑ፥ ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ ገለፀልኩም። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ኸዓ ፀሓፎ። እግዚኣብሄር፥ በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ምእንቲ ኽትፍፅምዎ ሕግጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ሽዑ ኣዘዘኒ። በታ እግዚኣብሄር ኣብ ኮሬብ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ዝተዛረበኩም መዓልቲ ሓደ መልክዕ እኳ ኣይረአኩምን እሞ፥ ተጠንቂቕኩም ነፍስኻትኩም ሓልዉ። ብዝኾነ ምስሊ፥ ብመልክዕ ሰብኣይ ወይ ብመልክዕ ሰበይቲ ምስሊ ጣዖት ብምስራሕ ከይትረኽሱ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ እንስሳ፥ ወይ ናይተን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝነፍራ ኣዕዋፍ ምስሊ፥ ወይ ናይቶም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉ ምስሊ፥ ወይ ናይቶም ኣብ ማይ ዘለዉ ዓሳታት ምስሊ ብምግባር ከይተምልኽዎም ተጠንቀቑ። ንፀሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን፥ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይን ርኢኹም ከይተምልኽዎም። እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ከገልግሉ ዝሃቦም እዮም እሞ፥ ክትሰግዱሎምን ክተገልግልዎምን ኢልኩም ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ ዄንኩምዎ ዘለኹም፥ ርስቱ ዝኾነ ህዝቢ ምእንቲ ኽትኮንዎ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓፂን፥ ካብ ግብፂ ኣውፂኡኩም እዩ። “እግዚኣብሄር ድማ ብሰንክኹም ተቘጥዐኒ፤ ኣነ ንፈለግ ዮርዳኖስ ከይሳገር፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ፍርያም ምድሪ ኸዓ ኸይኣቱ መሓለ። ኣነ ንፈለግ ዮርዳኖስ እንተይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ፤ ንስኻትኩም ግና ኽትሳገሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ድማ ኽትወርስዋ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኸልከለኩም ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባላዕ ሓዊ ዝኾነ፥ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ። “ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድኩም፥ ኣብታ ምድሪ ኸዓ ነዊሕ ዘመን ምስ ተቐመጥኩም፥ ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ንባዕልኹም እንተርከስኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፉእ ብምግባር እውን እንተ ኣቘጢዕኹምዎ፥ ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም። እግዚኣብሄር ናብ ማእኸል ህዝብታት ክብትነኩም እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ተሰዲድኩም እትኸድዎም ህዝቢ ኸዓ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም። ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ዘይሪኡ፥ ዘይሰምዑ፥ ዘይበልዑ፥ ዘየጫንዉ ኣማልኽቲ ዕንፀይትን እምንን ክተገልግሉ ኢኹም። ኣብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ደሊኹምዎ ኽትረኽብዎ ኢኹም። ምስ ፀበበኩምን፥ እዝ ዅሉ ምስ በፅሐኩምን ግና፥ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትምለሱ ኢኹም፤ ቃሉ ኸዓ ኽትሰምዑ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ኣየሓድገኩምን ኣየጥፍአኩምንውን። ነቲ ምስ ኣቦታትኩም ዝኣተዎ፥ ብማሕላ ዘፅንዖ ኺዳን ከዓ ኣይርስዕን እዩ። “ካብታ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ነቲ ቕድሜኹም ዝነበረ፥ ናይ ቀደም ዘመን እስኪ ጠይቑ። ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ መርምሩ። ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ነገርዶ ኾይኑ ይፈልጥ? ወይ ነዙይ ዝመስልከ ተሰሚዑዶ ይፈልጥ? ከምቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣምላኽ ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ቃሉ ዝሰምዐ፥ ብህይወት ከዓ ዝነብር ህዝቢዶ ኣሎ? ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ? “እዝ ዅሉ ንኣኻትኩም ዘርአየኩም ግና፥ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ብዘይ ንሱውን ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢሉ እዩ። ምእንቲ ኽምህረኩም፥ ካብ ሰማይ ድምፁ ኣስምዐኩም፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ዓብዪ ሓዊ ኣርአየኩም፤ ቃሉ ድማ ኻብ ማእኸል ሓዊ ኣስምዐኩም። ነቦታትኩም ስለ ዝፈተዎም ድማ ብድሕሪኦም ንኣኻትኩም ሓረየኩም፤ ባዕሉ ኸዓ ብዓብዪ ሓይሉ ኻብ ግብፂ ኣውፅአኩም። ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኽህበኩም፥ ናብኣ ምእንቲ ኸእትወኩም፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጐጐ። “እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ፥ ኣብ ታሕቲ ኸዓ ኣብ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለውን፥ ሎሚ ፍለጡ፤ ኣብ ልብኹም ድማ ዕቘርዎ። ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ሰናይ ምእንቲ ክኾነልኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሓዋሩ ዝህበኩም ምድሪ መዋእልኩም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ናይ ኣምላኽ ሕግጋትን ትእዛዛትን ሓልውዎ።” ሽዑ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ሰለስተ ኸተማ ፈለየ። እዚኣተን፥ ቅድም ፅልኢ ዘይነበሮ፥ ብዘይ ምፍላጥ ብፃዩ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን እየን። ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ሃዲሙ ብህይወት ክነብር ይኽእል እዩ። እተን ከተማታት ድማ፦ ንደቂ ሮቤል ነታ ደጕዓ ኣብ ዝኾነ ምድረ በዳ ዘላ ቦሶር፥ ንደቂ ጋድ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ንደቂ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ነበራ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ እዙይ እዩ። ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ። ሽዑ ንሳቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ቤት ፌጎር ዘላ ለሰ፥ ኣብ ምድሪ ሴዎን ነበሩ። ሴዎን ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ዝሰዓርዎ እዩ። ምድሩን ምድሪ ዓግ ንጉስ ባሳንን ሓዙ። ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ እዮም። እዝ ምድሪ እዙይ ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር ክሳዕ እምባ ሲዮን፥ ክሳዕ ኣርሞንኤም፥ ይበፅሕ ነበረ። ከምኡ እውን ኣብ ኵሉ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል፥ ክሳዕ እቲ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዘሎ ጐልጐል ባሕሪ ድማ ሓዙ። ሙሴ ድማ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ ኦ ህዝቢ እስራኤል! እዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ፤ ተምሃርዎን ሓልውዎን ግበርዎን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ኮሬብ ምሳና ኺዳን ኣተወ። እግዚኣብሄር እዝ ኺዳን እዙይ፥ ምሳና ሎሚ ብህይወት ምስ ዘለናውን እምበር ምስ ኣቦታትና ጥራሕ ኣይኣተዎን። እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ገፅ ንገፅ ተዛረበኩም። ሽዑ ሓዊ ፈሪሕኹም ናብቲ እምባ ስለ ዘይደየብኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኻትኩምን ቆምኩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ብዘይ ኣነ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘሎ፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ናይ ዝኾነ ምስሊ፥ ዝተቐረፀውን ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ፥ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥ ቀናእ ኣምላኽ እየ። ንዝፈትዉኒ፥ ትእዛዛተይውን ንዝሕልዉ ኸዓ ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር፥ ንስሙ ብኸንቱ ዘልዕል ካብ ሓጢኣት ኣየንፅሆን እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፥ ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ሓልዋ። ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፥ ኵሉ ተግባርካ እውን ግበር። እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካንውን ከማኻ ምእንቲ ኸዕርፉስ፥ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካን ብዕራይካን ኣድግኻን ኵሉ እንስሳኻን ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ዘሎ ጓናን ከቶ ኣይትስርሑ። ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብፂ ባርያ ኸም ዝነበርካ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ብፅንዕቲ ኢድን ብሓያል ቅልፅምን ካብኣ ኸም ዘውፅአካ ዘክር፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ ኣዘዘካ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ሰናይውን ክኾነልካን፥ ከምቲ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር። ኣይትቕተል። ኣይትዘሙ። ኣይትስረቕ። ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር። ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትመነ። ቤት ብፃይካ፥ ግራቱ ወይ ኣገልጋሊኡ ወይ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ። እዘን ትእዛዛት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ፥ ኣብ ማእኸል ሓዊን ደመናን ፀልማትን፥ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንዅላ ማሕበርኩም ዝተዛረበን እየን፤ ካልእ ኣይወሰኸን። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ፅሒፉ ኸዓ ንኣይ ሃበኒ። ኵሉ እቲ እምባ ብሓዊ ኽነድድ እንተሎ፥ ካብቲ ውሽጢ ፀልማት ድምፂ ምስ ሰማዕኹም፥ ንስኻትኩምን፥ ኣሕሉቕ ነገዳትኩምን ሽማግለታትኩምን ናባይ ቀረብኩም። ንስኻትኩም ከዓ ንኣይ “እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርኣየና፤ ድምፁውን ካብ ማእኸል ሓዊ ሰማዕና፤ ኣምላኽ ምስ ሰብ ክዛረብ እሞ፥ ሰብ ምስ ኣምላኽ ተዛሪቡስ ብህይወት እንትነብር፥ ሎሚ ርኢና፥ ሕዚኸ ስለ ምንታይ እንመውት? እዝ ዓብዪ ሓዊ ክበልዐና እዩሞ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰሚዕና፥ ክንመውት ኢና። ካብ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ድምፂ ህያው እግዚኣብሄር ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ሰሚዑ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ? ንስኻ ቕረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ድማ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝነገረካ ዅሉውን ንስኻ ንገረና፤ ንሕና ኸዓ ሰሚዕና ኽንፍፅሞ ኢና” በልኩምኒ። ክትዛረቡኒ እንተለኹም ድማ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረብኩምዎ ሰምዖ፤ እግዚኣብሄርውን ከምዙይ በለኒ፦ ነቲ እዞም ህዝቢ ዝተዛረቡኻ ቓል ሰሚዐዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ዝተዛረብዎ ሰናይ እዩ። ንኣኣቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነሎም፥ ክፈርሑንን ኵሉ ትእዛዛተይውን ክሕልዉን፥ ከምዙይ ዝበለ ልቢ እንተ ዝህልዎም መን ምሃበ! ኪድ፤ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ፥ በሎም። ንስኻ ግና፥ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኽሕልውዎ ዘለዎም፥ እትምህሮም ሕግታተይን ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ክነግረካ፥ ኣብዙይ ኣብ ጥቓይ ደው በል። እምበኣር ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ክትገብሩ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣይትበሉ። ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኺዱ። “እቲ ኣብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ፥ ሃገር ክትፍፅምዎ ኣነ ኽምህረኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ፦ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ምሉእ ዕድሜኹም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓልዉ። ስለዙይ፥ ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም፥ ሰናይ ክኾነልኩምን ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ የመና ኽትበዝሑን፥ ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ። “ኦ እስራኤል! ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት ኣብ ልብኻ ሓዞ። ንደቅኻ ንገሮም፤ ኣብ ገዛኻ ኮፍ እንትትብል፥ ኣብ መንገዲ እንትትከይድ እንትትድቅስ እንትትትስእ ዅልሻዕ ዘክሮ፤ ኣስተንትኖውን። ንምልክት ክኾነካ ኣብ ኢድካ እሰሮ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸም ክታብ ይኹነልካ? ኣብ ድርኵዂት ገዛኻን ኣብ ማዕፆ ኣፍ ደገኻን ድማ ፀሓፎ። “ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ንኣኻትኩም ክህበኩም ዝመሓለሎም ምስ ኣእተወኩም ዘይሰራሕኹምወን ዓበይትን ፅቡቓት ከተማታትን ክህበኩም እዩ። ንስኻትኩም ዘይመላእኹምወን ፅቡቓት ኣቑሑ ዝመልኣ ኣባይትን፥ ዘይኰዓትኩምወን ዒላታትን፥ ዘይተኸልኩምዎ ወይንን ኣውሊዕን ክህበኩም እዩ። ነዝ ዅሉ በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥ ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሑ፤ ንእኡ ጥራሕ ኣምልኹ፤ ብስሙውን መሓሉ። ነቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነብሩ ህዝብታት ዘምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ደኣ ኣምሊኽኩም ግና እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ቍጥዓኡ ኣባኻትኩም ነዲዱ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍአኩም እዩ። ከምቲ ኣብ ማሳህ ዝተፈታተንኩምዎ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትፈታተንዎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ኣፅኒዕኹም ሓልዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ንዅሎም ፀላእትኹም ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ፍርያም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ሰናይን ግበሩ። “ብዳሕረዋይ ዘመን ‘እዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘኩም ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ?’ ኢሎም ደቅኹም እንተ ጠየቑኹም፥ ንስኻትኩም ‘ኣብ ግብፂ ባሮት ፈርዖን ነበርና፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅአና። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብፂ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ንሕና እናረአና ዓቢይን ዘስካሕክሕ ምልክትን ተኣምራትን ገበረ። ንኣና ግና፥ ናብታ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኸእትወናን ክህበናን፥ ካብ ግብፂ ኣውፅአና። ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ሰናይ ክኾነልና፥ ከምዝ ሎሚ ዘሎናዮ ኸዓ ምእንቲ ብህይወት ከንብረና፥ እግዚኣብሄር ነዝ ዅሉ ትእዛዛት ክንፍፅም፥ ንእኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ክንፈርሖ ኣዘዘና። ከምቲ ንሱውን ዝኣዘዘና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ንኽንፍፅሞ ንዅሉ እዝ ትእዛዛት እዙይ እንተ ሓለና ንኣና ፅድቂ ክኾነልና እዩ’ በልዎም።” “እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ ትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ክትኣትውዋ እንተለኹም ከዓ ንኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ነዞም ሸውዓተ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ብዙሓት ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ እንትህበኩም እሞ እንትትስዕርዎም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ኪዳን ኣይትተኣታተዉ፤ ኣይትምሓርዎምውን። ኣይትዋሰብዎም፤ ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። እንተ ዘይኮነ ደቅኹም፥ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኸምልኹ ኻብ እግዚኣብሄር ከርሕቕዎም እዮም እሞ፥ እግዚኣብሄር የመና ኽቝጥዐኩም እዩ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ኸጥፍአኩም እዩ። ንኣኣቶምስ ከምዙይ ደኣ ግበርዎም፦ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ሰባብሩ፤ ዘምልኹሉ ኣፀዶም ቍረፁ፤ ዝተፀርበ ምስልታቶምውን ብሓዊ ኣቃፅሉ። ንስኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ካብ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፥ ህዝቡ ኽትኮንዎ መረፀኩም። “እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝመረፀኩምን፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኹም ኣይኮነን፤ ካብ ኵሎም ንስኻትኩም ትውሕዱ። እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሓለወን፥ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኣውፅአኩም፤ ካብ ባርነት፥ ካብ ኢድ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ተቤዘወኩም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር፥ ቃል ኺዳኑውን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ፍለጡ። ነቶም ዝፀልእዎ ንምጥፋእ ኣብ ቅድሚኣቶም ናይ ኢዶም ይፈድዮም፤ ንዝፀልእዎ እንተይደንጐየ ኣብ ቅድሚኡ ናይ ኢዶም ይፈድዮም። እምበኣርከስ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድንውን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ። “ነዝ ትእዛዛት እዙይ ተጠንቂቕኩም እንተ ሰሚዕኹምዎን እንተ ሓሊኹምዎን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳኑን ምሕረቱን ክሕልወልኩም እዩ። ክፈትወኩምን ክባርኸኩምን ከብዝሐኩምንውን እዩ። ኣብታ ንኣኻትኩም ክህበኩም ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን፥ ኣብታይ ከፍትኹምን፥ ሌማታት ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ክባርኸልኩም እዩ። ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ክትባረኹ ኢኹም። ኣባኻትኩም ካብ ሰብኣይ ወይ ካብ ሰበይቲ መኻን ኣይህሉን እዩ። እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ሕማም ከርሕቕ እዩ። እቲ ዅሉ እትፈልጥዎ ዘስካሕክሕ ሕማም ግብፂ ድማ ኣየምፅአልኩምን እዩ። ናብ እቶም ኵሎም ዝፀልኡኹም ግና እዝ ዅሉ ኸምፅአሎም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣሕሊፉ ንዝህበኩም ኵሎም ኣህዛብ ኣጥፍእዎም፤ ዓይንኹምውን ኣይራህርሀሎም። ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ከይኾኑኹም፥ ኣይተምልኽዎም። “ብልብኹም ድማ፥ ‘እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባና ዝበዝሑ እዮም እሞ፥ ከመይ ጌርና ኽነውፅኦም ኢና?’ እንተ በልኩም፥ ኣይትፍርሕዎም፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ግብፅን ዝገበሮ ዘክሩ። ነቲ ኣዒንትኹም ዝረአያኦ ዓበይቲ መቕሰፍትታትን ምልክታትን ተኣምራትን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኣኣ ዘውፅአኩም ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልፅምን ኣፀቢቕኩም ዘክሩ። ነዞም ኵሎም እትፈርሕዎም ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኽገብሮም እዩ። ከምኡውን ነቶም ዝተረፉን ካባኻትኩም ዝተሓብኡን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ ዝጠፍኡ ዕኮት ክሰደሎም እዩ። እቲ ዓቢይን ዝፍራሕን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማእኸልኩም እዩሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ። ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም በብቑሩብ ክሰጎም እዩ። ኣራዊት በረኻ ምእንቲ ኸይበዝሑኹም፥ ብሓደ ጊዜ ኽተጥፍእዎም ኣይግበአኩምን። ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ብዓብዪ ድንጋፀ ድማ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸደንግፆም እዩ። ንነገስታቶም ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ስሞም ድማ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክተጥፍኡ ኢኹም። ክሳዕ እተጥፍእዎም ዝኾነ ይኹን ኣብ ቅድሜኹም ክቃወመኩም ዝኽእል የለን። ንዅሎም ክተጥፍእዎም ኢኹም። ዝተቐረፀ ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ነቲ ኣብ ምስልታት ኣማልኽቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዩ፤ እዙይ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርኹስ እዩ እሞ፥ መፈንጠር ከይኾነኩም፥ ካብኡ ንኣኻትኩም ሓደኳ ኣይትውሰዱ። ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ርኹሳት ምእንቲ ኸይትኾኑ፥ ዝኾነ ርኹስ ነገር ናብ ገዛኹም ኣይተእትዉ፤ ዝረኸሰ እዩ እሞ፥ ፈፂምኩም ፅልእዎን ተፀየፍዎን። “ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ብማሕላ ዘተስፈዎም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም ሓልዉ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ። ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኸፍልጠኩም፥ ንሱ ኣጨነቐኩም፤ ኣጥመየኩምውን፤ ንስኻትኩም ዘይፈለጥኩምዎ ኣቦታትኩም እውን ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም። በዘን ኣርብዓ ዓመታት ክዳንኩም ኣይበለየን፤ እግርኹም እውን ኣይሓበጠን። ሰብ ንውሉዱ ኸም ዝግስፅ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኸምኡ ኸም ዝግስፀኩም ብልብኹም ዘክሩ። “እምበኣር ብመንገዱ ብምኻድን ንእኡ ብምፍራሕን፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሓልዉ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ፍርያም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ። ንሳ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጥሮታትን ኣብ ጎቦታትን፥ ዝፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፥ እታ ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፥ ዘይቲ ኣውሊዕን መዓርን፥ እንጀራ ናብ እትበልዑላ፥ ዝኾነ ናብ ዘይትስእኑላ ምድሪ፥ ኣእማና ሓፂን፥ ጎቦታታ ዅዒትኩምውን ነሃስ ናብ እተውፅኡላ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ። “ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ፥ እታ ልምዕቲ ምድሪ ስለ ዝሃበኩም፥ ክተመስግንዎ ኢኹም። ነዝ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግጋቱን ብዘይ ምሕላውኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይተጠንቂቕኩም ግና በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥ ፅቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕኹም ምስ ተቐመጥኩምወን፥ ከፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ምስ ሰሰና፥ ብሩርኩምን ወርቅኹምን ከዓ ምስ በዝሐልኩም፥ ዘለኩም ኵሉ ድማ ምስ በርከተ፥ ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ። በቲ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፥ ማይ ብዘይብሉ ኣፃምእ፥ ገፊሕን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፤ ካብ ፅኑዕ ኰዅሒ ድማ ማይ ኣፍለቐልኩም። ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣቦታትኩም ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም፤ እዙይ ከዓ ምእንቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ሰናይ ክኾነልኩም ኢሉ ኣዋረደኩምን ፈተነኩምን። ብልብኹም ‘ሓይልናን ፅንዓት ኢድናን እዝ ዅሉ ሃብቲ ኽንእክብ ገበረና’ ትብሉ ትኾኑ። ግና ኸምዝ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ሃብቲ ኽትእክቡ ሓይሊ ዝህበኩም፥ ንሱ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘክርዎ። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ረሲዕኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ተኸቲልኩምን እንተ ኣምሊኽኩምዎምን፥ እንተ ሰጊድኩምሎምን ብርግፅ ከም እትጠፍኡ፥ ሎሚ ኣሰምዐልኩም ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኹም፥ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ኣህዛብ፥ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም። “ኦ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ክትሳገሩ ኢኹም፤ ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን፥ ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሕ ዕርድታት ዘለወን ዓበይቲ ኸተማታት ንዘለዋኦም ኣህዛብውን ክትወርስዎም ኢኹም። እቶም ህዝቢ፥ ደቂ ዔናቅ፥ ዓበይትን ነዋሕትን ምዃኖም ንስኻትኩም ትፈልጥዎም ኢኹም፤ ብዛዕባኣቶም ድማ ‘ኣብ ቅድሚ ደቂ ዔናቅ መን ደው ክብል ይኽእል’ እንትብሃል ሰሚዕኹም ኣለኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ ቐቅድሜኹም ከም ዝሓልፍ፥ ሎሚ ፍለጡ። ንሱ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ቅድሜኹምውን ከዋርዶም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኩም ክተሳጕጉዎም፥ ቀልጢፍኩም ድማ ኽተጥፍእዎም ኢኹም። “እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም ድማ፥ ብልብኹም ‘ፃድቃን ብምዃንና እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽንወርሳ ኣእተወና’ ኣይትበሉ። እግዚኣብሄር ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ ኽፉኣት ብምዃኖም እዩ። ብፅድቅኹምን ብቕንዕና ልብኹምን ኣይኮንኩምን ንምድሮም እትኣትዉዋን እትወርስዋን ዘለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ፥ በቲ ዝገበርዎ ኽፍኣት እዩ፤ ከምኡውን እቲ ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ዝመሓለሎም ነገር ምእንቲ ኽፍፅም እዩ። ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ ኢኹም፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዛ ልምዕቲ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ገይሩ ዝሃበኩም ብፅድቅኹም ከም ዘይኮነ ፍለጡ። “እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ። ኣብ ኮሬብ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቝጣዕ ገበርኩምዎ፤ ተቘጢዑ ኸዓ ኸጥፍአኩም ደለየ። እተን ናይ እምኒ ፅላታት፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝተመሓሓለለን ናይ ቃል ኪዳን ፅላታት ክቕበል ናብቲ እምባ ደየብኩ። ኣብኡ ብዘይ እንጀራን ማይን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ብኢዱ ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃበኒ፤ እቲ ኣብቲ እምባ ተኣኪብኩም እንተለኹም ካብ ማእኸል ሓዊ ምሳኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ቓል ከዓ ኣብኣተን ተፅሒፉ ነበረ። “ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን፥ እግዚኣብሄር እተን ክልተ ናይ ኪዳን ፅላት እምኒ ሃበኒ። እግዚኣብሄር ድማ ‘ተስእ፥ ቀልጢፍካ ውረድ። እቶም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ ረኺሶም እዮም፤ ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶም፤ መኺኹ ብፍሲ ዝተሰርሐ ምስሊ ጣዖት ንርእሶም ገይሮም ኣለዉ’ በለኒ። “መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር፥ ‘እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ተረርቲ ኽሳድ ምዃኖም ሪአዮም ኣለኹ። ከጥፍኦም፥ ስሞም እውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፤ ንኣኻ ድማ ኻብኣቶም ንዝሕይልን ንዝበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ’ በለኒ። “ካብቲ እምባ ተመሊሰ ወረድኩ፤ እቲ እምባ ድማ ብሓዊ ይቃፀል ነበረ፤ እተን ክልተ ፅላት ኪዳን ከዓ ኣብ ክልቲአን ኢደይ ነበራ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝበደልኩም ድማ ረአኹ፤ ካብ ወርቂ ዝፈሰሰ ምስሊ ምራኽ ጌርኩም ጣዖት ሰራሕኹም፤ ስለዙይ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም መንገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም። ነተን ክልተ ፅላት ከዓ ኻብ ክልቲአን ኢደይ ደርብየ ኣብ ቅድሜኹም ሰበርክወን። “ከም ብሓድሽ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ። በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ስለ ዘቘጣዕኹምዎ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እንጀራ ኣይበላዕኹን፥ ማይውን ኣይሰተኹን። በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ተቘጢዕዎ ዝነበረ ቝጥዓ ኸየጥፍአኩም ፈራሕኹ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ እውን እግዚኣብሄር ሰምዐኒ። ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዖ፤ ከጥፍኦ እውን ደለየ። ኣነ ግና በታ ጊዜ እቲኣ ምእንቲ ኣሮን ፀለኹ። ነቲ ዝሰራሕኹምዎ ግብሪ ሓጢኣትኩም ዝኾነ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣቃፀልክዎ። ሽዑ ቐጥቂጠ ኸም በነንታ ኽሳዕ ዝኸውን ጠሓንክዎ፤ ነቲ በነንታውን ናብቲ ኻብ እምባ ዝወርድ ሩባ በተንክዎ። “ኣብ ተቤራን ኣብ ማሳሕን ኣብ ምንዮት መቓብርንውን ንእግዚኣብሄር ኣቘጣዕኹምዎ። “ከምኡውን እግዚኣብሄር ‘ደይቡ እሞ ነታ ዝሃብኩኹም ምድሪ ውረስዋ’ ኢሉ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ለኣኸኩም፥ ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዓመፅኩም። ንእግዚኣብሄር ኣይኣመንኩምዎን፤ ቃሉውን ኣይሰማዕኹምን። ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዓመፀኛታት ነበርኩም። “እግዚኣብሄርውን፥ ‘ከጥፍኦም እየ’ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ። ንእግዚኣብሄር ድማ ‘ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር! ነቲ ብዕቤትካ ዘድሓንካዮ፥ ብሓያል ኢድካ እውን ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍኣዮ።’ ንኣገልገልትኻ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዘክር። ናይ እዝ ህዝቢ እዙይ ህልኽን ክፍኣትን ሓጢኣትን ኣይትመልከት። እንተ ዘይኮኑ፥ ግብፃውያን፥ ‘ናብታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ሃገር ከእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝፀልኦምን ምእንቲ ኣብ ምድረ በዳ ኽቐትሎም ኣውፅኦም’ ክብሉ እዮም። እዚኣቶምስ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልፅምካን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም” በልኩ። “ሽዑ እግዚኣብሄር ‘ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ እሞ ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ብዕንፀይቲ ጌርካ ድማ ታቦት ስራሕ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓል ከዓ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ድማ ኽተንብረን ኢኻ’ በለኒ። “ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ገይረ ታቦት ሰራሕኹ፤ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ እውን ፀረብኩ፤ ንኽልቲአን ፅላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸዓ ናብቲ እምባ ደየብኩ። እግዚኣብሄር በታ ተኣኪብኩምላ ዝነበርኩም መዓልቲ፥ ኣብቲ እምባ ኻብ ማእኸል ሓዊ ነጊሩኩም ዝነበረ፥ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብተን ፅላት ፀሓፈ፥ ንኣይ ድማ ሃበኒ። ተመሊሰ ኸዓ ኻብቲ እምባ ወረድኩ፤ ነተን ፅላት ድማ ኣብቲ ዝሰራሕኽዎ ታቦት ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኸዓ ኣብኡ ተቐመጣ።” ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ብኤሮት ብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጕዓዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ፤ ኣብኡውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኮነ። ካብኡ ድማ ናብ ጉድጎዳ፥ ካብ ጉድጎዳውን ናብታ ወሓዝቲ ማያት ዘለዋ ናብ ዮጥባታ ተጕዓዙ። በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም። ስለዙይ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረቦ ርስቱ እግዚኣብሄር እዩ። “ኣነ ድማ ኸምቲ ናይ ቅድም፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተቐመጥኩ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ሰምዐኒ፤ እግዚኣብሄርውን ከጥፍአኩም ኣይደለየን። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኽኣትዉን ክወርስዋንስ ተስእ፤ ኪድ፥ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጕዓዝ’ በለኒ።” “ኦ ህዝቢ እስራኤል! ሕዚኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈርሕዎ፥ ብዅሉ መንገዱ ኽትመላለሱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኽተፍቅርዎ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ክተገልግልዎ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕግጋትን ክትሕልዉ እንተ ዘይኮይኑስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካባኻትኩም ዝደልዮ እንታይ ኣሎ? “እንሆ፥ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ። ምስ እዝ ዅሉ ግና እግዚኣብሄር ስለ ኣቦታትኩም ደስ ኢሉዎ እዩ፤ ንኣኣቶምውን ፈትዩ መረፆም። ብድሕሪኦም ድማ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ከምዝ ሎሚ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ሓረየኩም። እምበኣር ንስኻትኩም ልብኹም ግረዙ፤ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ዓብዪ፥ ሓያል፥ ዘፍርሕ ኣምላኽ፥ ብፍርዲ ዘየዳሉ፥ ጉቦ ኸዓ ዘይቕበል እዩ። ንሱ ንደኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውፅእ፤ ንስደተኛውን ይፈቱ፤ እንጀራን ክዳንን ከዓ ይህቦ። ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ስደተኛ ፍተዉ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሕዎ፤ ንእኡ ኣምልኹ፤ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ፤ ብስሙ ጥራሕ መሓሉ። እቲ ኣዒንትኹም ዝረአይዎ ነዞም ዓበይትን ዝፍርሑን ነገራትውን ዝገበረልኩም ንሱ ኽብርኹም እዩ። ንሱውን ኣምላኽኩም እዩ። ኣቦታትኩም ናብ ግብፂ ኽወርዱ እንተለዉ ብድምር ሰብዓ ሰብ ነበሩ። ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዝሐኩም።” “ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ሕግጋቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱንውን ኵልሻዕ ሓልዉ። ነቶም ተግሳፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘይፈለጡን ዘይረአዩን ደቅኹም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ እሞ፥ ነቲ ግርማኡን ሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቕልፅሙን ሎሚ ዘክሩ። ነቲ ኣብ ማእኸል ግብፂ፥ ኣብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ሃገሩን ዝገበሮ ምልክታቱን ግብርታቱን ዘክሩ። ነቲ ኣብ ሰራዊት ግብፅን ኣብ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ዝገበሮ፥ ከሳጕጉኹም እንተለዉ፥ ብማይ ባሕሪ ኤርትራ ኸም ዝደፈኖም፥ ፈፂሙ ድማ ኸም ዘጥፍኦም ዘክሩ። ንስኻትኩም ከዓ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝገበረልኩም ዘክሩ። እቲ ንዳታንን ንኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፥ ምስ ስድራኦምን ድንኳናቶምን ምስ ኵሉ ዝስዕቦም ዝነበረ ህይወት ዘለዎ ፍጥረትን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጦም ከም ዝገበረ ሎሚ ዘክሩ። እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ዝረአኹም ንስኻትኩም ኢኹም። “እምበኣር ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ሓልውዎ፤ ሽዑ ኽትሕይሉ፥ ናብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉ ኢኹም። ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ሎሚ ንኣኻትኩም ዝእዝዞ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልዉ። እታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ፥ ከምታ ሓዲግኩምዋ ዝወፃእኹም ምድሪ ግብፂ፥ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእኻዩ ዘርኢ ኸም ኣታኽልቲ ሓምሊ ብእግርኻ እተስትዮ ኣይኮነትን። ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘርኢ ምስ ዘራእኹም ነታኽልቲ ብመስኖ ኽተስትይዎ ላዕልን ታሕትን ብምምልላስ ትደኽሙ ነበርኩም። እታ ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ግና፥ ካብ ሰማይ ዝዘነመ ማይ እትሰቲ፥ ምድሪ እምባታትን ለሰን እያ። ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝምልከታ ሃገር እያ። ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኵልሻዕ ኣብኣ እዩ። “ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፤ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ድማ ኣገልግልዎ። ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርኩም ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን ምእንቲ ኽትእክቡ፥ ንምድሪኹም ዝናም ፅድያን ክረምትን ክህበኩም እየ። ኣብ ገራሁኹም ድማ ንእንስሳኻትኩም ሳዕሪ ኽህብ እየ፤ ክትበልዑን ክትፀግቡንውን ኢኹም። “ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፥ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን ንርእስኹም ተጠንቀቑ። እንተ ደኣ ሰጊድኩምሎም ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ክወርድ እዩ፤ ንሰማይ ዝናም ከየዝንምውን ክዓፅዎ እዩ፤ ምድሪ ድማ ፍረኣ ኣይትህብን እያ፤ ንስኻትኩም ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ልምዕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ክትጠፍኡ ኢኹም። ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፤ ንምልክት ከዓ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ኽታብ ይኹን። ኣብ ቤትኩም ኮፍ ምስ በልኩም፥ ኣብ መንገዲ ኽትከዱ እንተለኹምን ኣብ ምድቃስኩምን ኣብ ምትሳእኹምን ብእኡ እናተዛረብኩም፥ ንደቅኹም መሃርዎም። ኣብ ድርኵዂት ገዛኹምን ኣብ ማዕፆኹምን ከዓ ፀሓፍዎ። ሽዑ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ዕድመኹምን ዕድመ ደቅኹምን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘሎ ዘመን ሰማይ ምእንቲ ኽነውሕ እዩ። “ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ተመላለሱ፥ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ። ሽዑ እግዚኣብሄር ነዞም ኵሎም ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እዩ። ንስኻትኩምውን ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን ኣህዛብ ክትወርሱ ኢኹም። ኵላ እግርኹም ዝረገፃ ቦታ ናታትኩም ክትከውን እያ፤ ወሰንኩም ድማ ኣብ ምድረ በዳ፥ ክሳዕ ሊባኖስ፥ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ካብ ኤፍራጥስ፥ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ክኸውን እዩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም፥ ኣብ ኵላ እትኸድዋ ምድሪ ኽፈርሑኹምን ብኣኻትኩም ክድንግፁን እዮም እሞ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝብል የለን። “እንሆ፥ ሎሚ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንብር ኣለኹ። እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም ክትባረኹ ኢኹም። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ መንገዲውን እንተ ኣግሊስኩም፥ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ሰዓብኩም፥ ክትርገሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ እትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ነቲ በረኸት ኣብ እምባ ገሪዛን፥ ነቲ መርገም ከዓ ኣብ እምባ ጌባል ኴንኩም ኣውጅዎ። እዘን እምባታት እዚኣተን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ፀሓይ ዘላ መንገዲ፥ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ መንፅር ጌልገላ ዘሎ ጐልጐል፥ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ ዝነብሩ ከነዓናውያን ዘለዋ እየን። ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትወርሱ፥ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትኣትውዋ ኢኹም እሞ፥ ክትወርስዋን ክትነብሩላንውን ኢኹም። ናብኣ ምስ ኣተኹም ነዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘለኹ ዅሉ ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።” “ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብህይወት እትነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ተጠንቂቕኩም እትፍፅምዎ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዙይ እዩ፦ እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፥ ኣብ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንኣማልኽቶም ዘምልኹለን ዝነበሩ ቦታታት ፈፂምኩም ኣጥፍእወን። መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፤ እቲ ንምስሊ ጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕምዶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ዝተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ሰባብሩ፤ ስሞም ድማ ኻብቲ ቦታ እቱይ ኣጥፍኡ። “ንኣምላኽኩም ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ዝበለ ስራሕ ኣይትስርሑ። ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ምድሪ ዅሎም ነገዳትኩም ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ ኽትመፁ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ነታ መሕደሪኡ ድለዩ። ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብፅዓኹምን ብፍታውኩም እተቕርብዎ መባእኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ናብኣ ኣምፅኡ። ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፤ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ተግባር ኣእዳውኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሓጐሱ። “ከምዝ ሎሚ እንገብሮ ዘለና፥ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ ዝተርኣዮ ኣይግበር፤ ክሳዕ ሕዚ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ርስትን ኣይኣተኹምንሞ። ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም ግና ምእንቲ ብህድኣት ክትነብሩ፥ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ፀላእትኹም ከዕርፈኩም እዩ። ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ። ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን፥ ተባዕትዮ መገልገልትኹምን ኣንስትዮ መገልገልትኹምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሓጐሱ። እቲ ምሳኻትኩም ክፍልን ርስትን ዘይብሉ ኣብ ከተማታትኩም ዘሎ ሌዋዊውን ምሳኻትኩም ይተሓጐስ። ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይተቕርቡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሓደ ኻብ ነገዳትኩም ዝሓረያ ቦታ ደኣ ኣቕርቡ። እዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ኸዓ ኣብኣ ኣቕርቡ። “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረከት ቃሕ ከም ዝበለኩም ኣብ ኵለን ደጌታትኩም ሓሪድኩም ስጋ ብልዑ። ከም ሰስሓን ከም ድኵላን ዝበለ፥ ንፁህ ዝኾነ ሰብን ንፁህ ዘይኮነ ሰብን ይብልዓዮ። ነቲ ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ኣይትብልዕዎ። ኣስራት ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተመባፃዕኹምዎ መብፅዓኹምን ብፍቓድ ዘምፃእኹምዎ ውህብቶኹምን ንዝለዓል መስዋእቲ ኢድኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይትበልዕዎ ተጠንቀቑ። ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ከተማታትኩም ዝነብር ሌዋዊን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ብልዕዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብተግባር ኣእዳውኩም ተሓጐሱ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብሩሉ ዅሉ ዘመንኩም ንሌዋዊ ሸለል ከይትብልዎ ተጠንቀቑ። “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ዝበለኩም ወሰናትኩም ምስ ኣስፍሐ፥ ስጋ ኽትበልዑ ቓሕ ኢሉኩም ‘ስጋ ደኣ ኽንበልዕ’ እንተ በልኩም፥ ደስ ከም ዝበለኩም ጌርኩም ስጋ ብልዑ። እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሓድራ ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትኩምኳ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህበኩም፥ ካብ ከፍትኹምን ካብ ኣባጊዕኹምን ሓሪድኩም፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸም ቃሕ ዝበለኩም ብልዑ። ከምቲ ሰስሓን ድኩላን ዝብልዓ ብልዕዎ፤ ንፁህ ሰብን ዘይነፅሀን ይብልዓዮ። ደም ከይትበልዑ ጥራሕ ተጠንቀቑ፤ ህይወት ኣብቲ ደም እዩ እሞ፥ ህይወት ምስ ስጋ ኣይትብልዑ። ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ኣይትብልዕዎ። ደም እንተ ዘይበሊዕኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ጌርኩም፥ ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ከዓ ንደቅኹም ሰናይ ክኾነልኩም እዩ። “እቲ ዘለኩም ቅዱስ ነገርን መብፅዓኹምን ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ኺዱ። ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም፥ ስጋኡን ደሙን፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰውእዎ፤ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድኩም ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍሰስ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ብልዕዎ። ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም፥ ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ኵሉ እዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ሓልውዎ። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰናይን ቅኑዕን እዩ እሞ። “ነዞም ክትወርስዎም እትኸዱ ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣኣቶም ወሪስኩም ኣብ ምድሮም ክትቅመጡ ኢኹም። ካብ ቅድሜኹም ምስ ጠፍኡ፥ ደድሕሪኣቶም ብምስዓብ ከይትዕንቀፉ፥ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ድማ ‘እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ? ንሕናውን ከምኡ ንግበር’ ኢልኩም ከይትጥይቑ ተጠንቀቑ። ንኣማልኽቶም ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝፀልኦ ዘፀይፍ ነገር ይገብሩሎም እዮም። ንኣማልኽቶም ኣወዳቶምን ኣጓላቶምንውን ብሓዊ የቃፅሉሎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ። “ነዝ ዅሉ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ። ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ኣይትወስኹ፤ ካብኡውን ሓደኳ ኣይተጕድሉ።” “ካባኻትኩም ነቢይ፥ ወይ ሓላሚ ሕልምታት እንተ ተስአ እሞ ብዛዕባ ዝኾነ ምልክት ወይ ተኣምራት እንተ ሃበኩም፥ እቲ ምልክት ወይ እቲ ተኣምራት ከዓ ኸምቲ ዝበለኩም እንተ ተፈፀመ፥ ‘ንሱ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ንስገደሎም’ እንተበለኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ወይ ንቓል እቲ ሓላሚ ሕልምታት ኣይትስምዕዎ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰዓቡ፤ ንእኡ ፍርሑ፤ ትእዛዛቱ ሓልዉ፤ ቃሉ ስምዑ፤ ንእኡ ኣገልግሉ፤ ናብኡውን ቅረቡ። ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትከድዋ ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኸግልሰኩም፥ ካብቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም፥ ካብ ምድሪ ባርነት ድማ ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከኽድዐኩም ስለ ዝተዛረበ፥ እቲ ነቢይ እቱይ ወይ እቲ ሓላሚ ሕልምታት እቱይ ይቀተል። በዝ ኸምዙይ ከዓ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። “ሓውካ ወዲ እኖኻ፥ ወድኻ፥ ወይ ጓልካ ወይ እትፈትዋ ሰበይትኻ ወይ እተፍቅሮ ዓርክኻ፥ ‘ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ’ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓበለካ፥ ንስኻ ኾነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፥ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን፥ ኣብ ጥቓኻ ኾነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፥ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ንዘምልኽዎም ኣማልኽቲ ነምልኽ ኢሉ እንተ ደፋፍአካ፥ ሕራይ ኣይትበሎ፤ ኣይትስምዓዮ፤ ኣይትራህርሀሉ፤ ኣይተናሕስየሉ፤ ኣይትሕብኣዮውን። ፈፂምካ ቕተሎ፤ ንእኡ ንምቕታል ቅድም ናትካ ኢድ፥ ደሓር ከዓ ኢድ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ትኹን። ካብቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከርሕቐኩም ደልዩ እዩ እሞ፥ ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ። ሽዑ ዅሎም እስራኤል ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም፤ ካብ ማእኸልኩም ድማ ኸምዙይ ዝበለ ክፉእ ስራሕ ኣይገብሩን እዮም። “ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነብሩለን እግዚኣብሄር ዝህበኩም ከተማታት፥ ክፉኣት ሰባት ካባኻትኩም ተሲኦም፥ ‘ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኽነምልኽ ንኺድ’ ኢሎም ንደቂ ዓዶም ኣስሒቶምዎም ክብሉ እንተ ሰማዕኹም፥ ሽዑ ጠይቑ፤ ብጥንቃቐ ኸዓ መርምሩ። እንሆ ድማ፥ እዝ ነውሪ ነገር እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዝተገብረ፥ ሓቅን ርግፅን እንተ ኾይኑ፥ ኣብታ ኸተማ ንዝነብሩ ብስሕለት ሰይፊ ፈፂምኩም ወድእዎም፤ ንሳን ኣብኣ ዘለዉ ዅሎምን ነውራማት እዮም እሞ፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ንኸፍታቶምውን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእወን። ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ኣብ ማእኸል ኣደባባያ ኣክብዎ፤ ነታ ኸተማን ንዅሉ ኻብኣ ዝተዘምተን ብምሉኡ ኸም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብሓዊ ኣቃፅልዎ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፤ መሊሳ ኸዓ ኣይትተሃነፅ። “ካብቲ ሕሩም ነገር ሓደ እኳ እንተ ዘየልዒልኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ቍጥዓ መዓቱ ኽምለስ እዩ። ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እንተ ሓሊኹም ቅኑዕን ሰናይን ተግባር እንተ ጌርኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እውን እንተ ሰሚዕኹም፥ ንሱ ምሕረት ክገብረልኩም ክርህርሀልኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ከዓ ኸብዝሐኩም እዩ።” “ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፥ ብሓዘን ሰብነትኩም ኣይትፃሕብሩ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተቐደሰ ህዝቢ ኢኹምሞ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኮንዎ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻትኩም ሓረየኩም። “ርኹስ ዝኾነ ኣይትብልዑ። እትበልዕዎም እንስሳት እዚኣቶም እዮም፦ ብዕራይ፥ በጊዕ፥ ጤል፥ ድኩላ፥ ሰስሓ፥ ዓጋዘን፥ ጤል በረኻ፥ ዘራፍ፥ ሜዳቝ፥ ቶራ። ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ፥ ዘመዅስዕ ኵሉ እንስሳ ብልዑ። ካብ ዘመዅስዑ፥ ሸዀናኦምውን ካብ ዝተመቕለ፥ እዞም ዝስዕቡ ኣይትብልዑ፦ ግመል፥ ማንቲለ፥ ጊሐ። እዚኣተን የመዅስዓ እየን፥ ሸዀናአን ግና ኣይተሰንጠቐን እሞ፥ ርኹሳት ይኹናኹም። ሓሰማ፥ ሸዀናኣ ዝተሰንጠቐ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ፤ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ስጋኣ ኣይትብልዑ፤ በድናውን ኣይትንክኡ። “ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዅሉ እትበልዕዎ እዙይ እዩ፦ ኵሉ ኽንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ብልዑ። ክንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ ግና ኣይትብልዑ፤ እዙይ ርኹስ ይኹንኩም። “ንፁሃት ዝኾና ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። ካብኣተን ከዓ ዘይትበልዕወን እዘን ዝስዕባ እየን፦ ንስሪ፥ ጋማት፥ ወሓጥ ዓሳ፥ ሊሎ፥ በላዕ ልኻይ፥ ፃዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱ፥ ኵሉ ዃዅ በብዓይነቱ፥ ሰገን፥ ጉጓ፥ ሮብራ፥ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ፥ ንእሽተይ ጉጓ፥ ዓባይ ጉጓ፥ ቀራን ጉጓ፥ ቀያሕ ሓሓት፥ ኣሞራ፥ ሓሓት፥ ራዛ፥ ሰብፀራድ በብዓይነቱ፥ ተምበሃረጆ፥ ምንኪዕ። “ኵሉ ኽንፊ ዘለዎ ለመምታ ኸዓ ርኹስ ይኹንኩም፤ ኣይትብልዕዎ። ንፁሃት ዝኾና ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ። “ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትኩም ዝርከብ ዅሉ እቶትኩም ዓስራት ሃቡ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምፍራሕ ኵልሻዕ ምእንቲ ኽትመሃሩስ፥ ነቲ ዓስራት ስርናይኩም፥ ወይንኹም፥ ዘይትኹም፥ በዅሪ ኸፍትኹም፥ ኣባጊዕኹም፥ ኣብታ ንስሙ መፀውዒ ኽትከውን ዝሓረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዕዎ። እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ምስ ባረኸኩም፥ እታ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ኽትከውን ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትኩም እሞ መንገዲ ስለ ዝነውሐኩም፥ ናብኣ ኽተምፅእዎ እንተ ዘይተኽኣለኩም፥ ሽጥዎ እሞ፥ እቲ ገንዘብ ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኺዱ። በቲ ገንዘብ እቱይ ኵሉ ቓሕ ዝበለኩም ላሕሚ፥ በጊዕ፥ ወይንን ብርቱዕ መስተን፥ ወይ ካልእ ቃሕ ዝበለኩም ዓድጉ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብኡ ብልዕዎ፥ ንስኻትኩምን ስድራኹምን ከዓ ተሓጐሱ። ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ሌዋዊ ድማ፥ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን የብሉን እሞ፥ ሸለል ኣይትበልዎ። “በብመወዳእታ ሰለስተ ዓመት ካብ ኵሉ ናይታ ዓመት እቲኣ እቶትኩም፥ ዓስራት ኣውፂእኹም፥ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ኣክብዎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ እትገብርዎ ተግባር ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩም፥ እቲ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን ዘይብሉ ሌዋዊን እቶም ምሳኻትኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ይምፅኡ እሞ ይብልዑን ይፅገቡን።” “ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት ናይ ዕዳ ምሕረት ግበር። ከምዝ ዝስዕብ ጌርኩም መሓርዎ፦ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብፃዩ ዘለቅሖ ይሕደገሉ፤ እግዚኣብሄር ስርየት ዕዳ ኣዊጁ እዩ እሞ፥ እቲ መለቅሒ ኻብ ብፃዩን ካብ ሓዉን ኣይድለዮ። ካብ ጓና ድለዮ እምበር፥ ኣብ ሓውካ ዘለካ ግና ሕደገሉ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘውርሰኩም ምድሪ፥ እግዚኣብሄር ብርግፅ ክባርኸኩም እዩ። እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልውዎን ፈፅምዎን፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም ደኣ ስምዕዎ እምበር፥ ኣብ ማእኸልኩም ድኻ ኣይርከበኩምን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዘተስፈወኩም ክባርኸኩም እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፥ ንስኻትኩም ግና ኣይትልቅሑን ኢኹም። ንብዙሓት ህዝብታት ክትገዝኡ ኢኹም፥ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኹምን እዮም። “ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደገታትኩም ካብ ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ሓደ እንተ ደኸየ፥ ልብኹም ኣይተፅንዑሉ፤ ኣብ ልዕሊ ድኻ ሓውኩም፥ ኢድኩም ኣይትጨብጡ። ኢድኩም ዘርጊሕኹም ደኣ ብልግሲ ሃብዎ፤ ዘድልዮ ኸዓ ኣለቅሕዎ። ‘እታ ዕዳ ዝሕደገላ ሻውዐይቲ ዓመት ቀሪባ እያ’ ኢልኩም ንድኻ ሓውኩም ልቓሕ ኣይትኽልእዎ። ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ልብኹም ከይተሕድሩ። ዓይንኹም ኣብ ልዕሊኡ ኽፉእ ከይኸውን ንሱውን ብዛዕባኹም ናብ እግዚኣብሄር ከይጠርዕ፥ ሓጢኣት ከዓ ኸይኾነኩም ተጠንቐቑ። ፈቲኹም ሃብዎ፤ ንእኡ ብምሃብኩምውን ልብኹም ኣይናሳሕ፤ በዝ ምኽንያት እዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ስራሕኹምን ተግባር ኢድኩምን ክባርኸኩም እዩ። ድኻታት ኣብ ማእኸል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፥ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ድኻ፥ ነቲ እተፀገመ ሓውኩም ኢድኩም ክትከፍቱ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ። “ዕብራዊ ሓውኩም፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ኣባኻትኩም እንተ ተሸጠ፥ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ተገዝአኩም፥ በታ ሻውዐይቲ ዓመት ሓራ ኣውፂእኹም ሕደግዎ። ሓራ ኣውፂእኹም ክትሰድዎ እንተለኹም ድማ፥ ጥራሕ ኢዱ ኣይትስደድዎ። ካብ መጓሰኹምን ካብ እኽልኹምን ካብ ወይንኹምን ብልግሲ ሃብዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸኩም መጠን ሃብዎ። ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ከም ዘድሓነኩም ዘክሩ፤ ስለዙይ ድማ እየ ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዝእዝዘኩም ዘለኹ። “ባርያኻ ግና ምሳኻ ስለ ዝመቸዎ፥ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ ‘ካባኻ ኣይወፅእን’ እንተበለካ፥ ሽዑ፥ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕፆ ጌርካ ስቘሮ፤ ንሓዋሩውን ግዙእኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበር። ካባኻ ሓራ እንትተውፅኦ ኣይኽበድካ፤ እቲ ንሱ በዘን ሽዱሽተ ዓመታት ዝሃበካ ኣገልግሎት ዕፅፊ ናይቲ ዕሱብ ኣገልጋሊ ዝግመት እዩ እሞ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ እትገብሮ ኽባርኸካ እዩ። “ካብ ኵሉ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተወልደ ተባዕታይ በዅሪ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍለይዎ። ብበዅሪ ብዕራይኩም ኣይትስርሑ፤ ፀጕሪ በዅሪ በጊዕኹም ድማ ኣይትቝረፁ። ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ቦታ በብዓመቱ ንስኻትኩምን ስድራኹምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ብልዕዎ። ግና እቲ እንስሳ ሓደ ጐደሎ እንተልይዎ፥ ሓንካስ ወይ ዕዉር እንተ ኾነ፥ ወይ ዝኾነ ኽፉእ ኢንታ እንተልይዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ። ኣብ ውሽጢ መረባኻትኩም ብልዕዎ። ከምቲ ንሰስሓን እራብን እትበልዕዎ ጌርኩም፥ ንፁህን ዘይንፁህን ሰባት ብሓደ፥ ዄንኩም ብልዕዎ። ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ደሙ ኣይትብልዑ።” “እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብፂ ብለይቲ ኣውፂኡኩም እዩ እሞ፥ ንወርሒ ኣቢብ ሓልዉ፤ ፋሲካ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብዕሉ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኣባጊዕኹም ወይ ካብ ከፍትኹም ፋሲካ ሕረዱ። ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዐ፥ ናይ መከራ ቕጫ ምስኡ ብልዑ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ ነታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽትዝክርዋ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትብልዑ። ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ምድሪኹም ብዅዕ ኣይረአ። በታ መጀመርታ መዓልቲ ምሸት ዝሓረድኩምዎ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። “ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ እምበር፥ ኣብ ዝኾነ ኻልእ ከተማ በጊዕ ፋሲካ ኽትሓርዱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣብኣ በታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ ጊዜ፥ ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ፥ ሕረድዎ። ነቲ ሕሩድ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኣብሲልኩም ብልዕዎ። ንፅባሒቱ ድማ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ። “ካብታ ምዕፃድ እኽሊ እትጅምሩላ ሸውዓተ ሰሙን ቍፀሩ። ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረኸት ከዓ ብፍቓድኩም ዝወሃብ መባእ ኣቕሪብኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በዓል ሰሙናት ኣብዕሉ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ ምስ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ይበልኩም። ንስኻትኩም ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም ዘክሩ እሞ፥ ነዝ ስርዓት እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ ግበሩዎውን። “ፍርያት ካብ ዓውድኹምን ካብ መፅመቝ ወይንኹምን ምስ ኣከብኩም፥ በዓል ዳስ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዕሉ። ምስ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን መገልገሊኹምን መገልገሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ድማ ብበዓልኩም ደስ ይበልኩም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ እቶትኩምን ብዅሉ ስራሕኹምን ክባርኸኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐሱ ኢኹም እሞ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕሉ። “ዝኾነ ሰብኣይ፥ ሰለስተ ሻዕ ኣብ ዓመት፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ብምኻድ ኣብ ቅድሚኡ ይረአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ጥራሕ ኢዶም ኣይረአዩ። ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረከት ከከም ክእለትኩም ሃቡ። “ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ኵለን ከተማታትኩም ንነገዳትኩም ፈራዶን ኣሕሉቕን ሹሙ። ንህዝቢ ኸዓ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ። ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ኣድልዎውን ኣይትግበሩ። ጉቦ፥ ዓይኒ ለባማት የዕውር፤ ነገር ፃድቃን ድማ የቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበሉ። ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ እውን ኽትወርሱስ ፍፁም ቅንዕና ተኸተሉ። “ኣብ ጥቓ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እትሰርሕዎ መሰውኢ፥ ዝኾነ ናይ ኣምልኾ ዓፀድ ኣይትትከሉ። ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ዝፀልኦ ዓምዲ ንኣኻትኩም ኣይተቑሙ።” “ብዕራይ ኮነ በጊዕ፥ ኣበር ዘለዎ ወይ ጐደሎ ዘለዎ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፍ እዩ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ። “ካብ ማእኸልኩም ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ከተማታት፥ ኪዳኑ ብምፍራሱ፥ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገብር እንተ ተረኽበ፥ ከይዱ ኸዓ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብምጥሓስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንፀሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ እንተ ኣምለኾምን እንተ ሰገደሎምን፥ እዙይ ከዓ እንተ ነገሩኹም፥ ኣፀቢቕኩም መርምሩ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ እስራኤል ከም ዝተገብረ፥ ነገሩ ብርግፅ ሓቂ እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ነቲ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ነታ ሰበይቲ ኻብ ከተማታትኩም ኣውፂእኹም ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ። እቲ ዝቕተል ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይቀተል፤ ብኣፍ ሓደ ምስክር ጥራሕ ግና ኣይቀተል። ንምቕታሉ ቕድም እቶም መሰኻኽር፥ ደሓር ከዓ ዅሉ እቲ ህዝቢ እምኒ ይደርብየሉ። ከምዙይ ጌርኩም ንኽፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። “ኣብ መንጎ ደምን፥ ደምን፥ ኣብ መንጎ ፍርድን፥ ፍርድን፥ ኣብ መንጎ ምቝሳልን፥ ምቝሳልን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ሰባት ስለ ዝከራኸርዎ ኽርክር ንምፍራድ ዝፀገመኩም እንተ ሃልዩ፥ ተሲእኹም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኺዱ። ናብቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናትን ናብቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ፈራድን ኣቲኹም ጠይቕዎም፤ ንሳቶም ከዓ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ክነግሩኹም እዮም። ከምቲ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ዝነገሩኹም ነገር ግበሩ፤ ከምቲ ዝመሃሩኹም ኵሉ ተጠንቂቕኩም ግበሩ። ከምቲ ዝመሃሩኹም ሕግን ከምቲ ዝነገሩኹም ፍርድን ግበሩ። ካብቲ ዝገለፁልኩም ነገር ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበሉ። ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ተዓብዩ ምስማዕ ዝኣብዮ ሰብ ይቀተል። ከምዙይ ጌርኩም ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ። ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኽፈርሕ እዩ፤ መሊሱውን ኣይዕበን እዩ። “ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኣቲኹም ምስ ወረስኩምዋን ምስ ተቐመጥኩምዋን፥ ‘ከምቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፥ ንጉስ ኣብ ልዕሌና ነንግስ’ እንተ በልኩም፥ ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓርዮ ኸም ዝነግስ ግበሩ። ካብ ህዝብኹም ደኣ ኣንግሱ እምበር ጓና ኣይተንግሱ። እቲ ንጉስ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፤ ኣፍራስ ምእንቲ ኸብዝሕ ኢሉ ኸዓ፥ ናብ ግብፂ ሰብ ኣይልኣኽ። እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ። ልቡ ምእንቲ ኸይስሕት ኣንስቲ ንባዕሉ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከዓ እምብዛ ኣይኣክብ። “ኣብ ዙፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፥ ካብቲ ምስቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ዘሎ ሕጊ፥ ንእኡ ዝኸውን ቀዲሑ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፍ። ፍርሓት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኽመሃር፥ ካብ ኣሕዋቱ ዝበለፀ ኾይኑ ኸይስምዖ፥ ካብቲ ትእዛዝ ከዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይብል፥ ንሱን ደቁን ኣብ ማእኸል እስራኤል መዓልቲታት መንግስቶም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ናይዝ ሕጊ እዙይ ቃልን እዝ ትእዛዛት እዙይን ተጠንቂቑ ምእንቲ ኽፍፅም እቲ መፅሓፍ ምስኡ ይኹን፤ ብዅሉ መዋእል ህይወቱውን የንብቦ።” “ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ኻህናት ሌዋውያን ኣብ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሃልዎም፤ ክንድኡ ግና ነቲ ብሓዊ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእትን መባእን ይመገቡ፤ ንሱ ርስቶም እዩ እሞ። ምስ ኣሕዋቶም ከዓ ርስቲ ኣይሃልዎም፤ ግና፥ ከምቲ ዘተስፈዎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር እዩ። “ካብቶም ብዕራይ ኮነ በጊዕ ዝስውኡ ህዝቢ ከዓ፦ ኢድን ምንጋጋን ከስዐን፥ ንኻህናት እዩ ዝግባእ። እቶም ካህናት ምስ ደቆም ኵልሻዕ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ክቖሙ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኵሎም ነገዳትኩም ንኣኣቶም ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ቀዳማይ ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን፥ ቀዳማይ ፀጕሪ በጊዕኹምንውን ንኣኣቶም ሃብዎም። “ሓደ ሌዋዊ ኻብታ ዝነብረላ ኸተማ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ብድሌቱ እንተ መፀ፥ ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ሌዋውያን ኣሕዋቱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ የገልግል። ብዘይ እቲ ኻብ ኣቦታቱ ዝተሸጠ ሃብቱ፥ ምስቶም ካልኦት ካህናት ማዕረ ተኻፊሉ ይውሰድ። “ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ነቲ እቶም ኣህዛብ ዝገብርዎ ርኹስ ነገራት ከይትመሃሩ ተጠንቀቑ። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዝስውእ፥ ወይ መውደቕ ዛዕጐል፥ ወይ ብደመናን ብተመንን ዝጥንቍል፥ ወይ ኣስማተኛ፥ ወይ ብድግምቲ ዝጥንቍል፥ መናፍስቲ ዝፅውዕ፥ ወይ ጠንቋሊ፥ ወይ መንፈስ ምዉታን ዝፅውዕ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይሃሉ። እዝ ነገር እዙይ ዝገብር ኵሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርኹስ እዩ። ብሰንኪ እዝ ርኽሰት እዙይ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቶም ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ። ንስኻትኩም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍፁማት ኩኑ። “እቶም ንስኻትኩም እትወርስዎም ኣህዛብ፥ ስብሒ ንዝገልፁን ንጠንቈልትን እዮም ዝሰምዑ፤ ንኣኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምዙይ ዝበለ ኸይትገብሩ ኸልከለኩም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ መንጎ ኣሕዋትኩም፥ ካብ ህዝብኹም፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ። በታ ኣብ ኮሬብ ዝተኣከብኩምላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ‘ምእንቲ ኸይንመውት መሊስና ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይንስማዕ፤ እዝ ዓብዪ ሓዊ እዙይ ድማ ደጊም ኣይንርአ’ ኢልኩም ለመንኩምዎ። “እግዚኣብሄር ከዓ ‘እቲ ዝተዛረብዎ ፅቡቕ እዩ በለኒ። ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ፤ ቃለይ ኣብ ኣፉ ኽገብር እየ፤ ኵሉ ዝኣዘዝክዎ ድማ ኽነግሮም እዩ። ብስመይ ክዛረብ እዩ፤ ንእኡ ምስማዕ ዝኣበየ ሰብ ግና ኽቐፅዖ እየ። ግና ኣነ ዘይኣዘዝክዎ ብድፍረቱ ብስመይ ዝዛረብ ነቢይ፥ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዛረብ ነቢይ፥ ይቀተል’ በለኒ። “ብልብኹም ድማ ‘እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ?’ እንተ በልኩም፥ እቲ ነቢይ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረበ፥ እቲ ነገር እንተ ዘይኮነ፥ ወይ እንተ ዘይተፈፀመ፥ እቲ ነገር፥ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ምዃኑ ምልክት ይኹንኩም። እዙይ እቲ ነቢይ ባዕሉ ዝተዛረቦ እዩ፤ ኣይትፍርሕዎ።” “ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምድሮም ዝህበኩም ኣህዛብ፥ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስኩምዎም፥ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥኩም፥ ኣብ ማእኸል እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዎ ዝህበኩም ምድሪ ሰለስተ ኸተማታት ንባዕልኹም ፍለዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ወሰን ምድሪኹም ኣብ ሰለስተ ምቐልዎ፤ ነፍሲ ወከፍ፥ ሰብ ዝቐተለ ናብኣተን ምህዳም ምእንቲ ክኽእል ከዓ ናብተን ከተማታት ዝወስድ መንገዲ ፅረጉ።” ብዛዕባ ቐታሊ ነፍሲ ዝግበር እዙይ እዩ፦ “ናብኣተን ዝሃድም ቐታሊ ሰብ ዝድሕን ከዓ፥ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ምፍላጥ ንብፃዩ እንተ ቐተለ እዩ። ንኣብነት ዕንፀይቲ ኽቘርፅ ምስ ብፃዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረ፥ ኦም ክቘርፅ ኢሉ ማሕፀ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፥ እቲ ሓፂን ከዓ ኻብ ሓኽሊ ነፂሉ ነቲ ብፃዩ እንተ ወቕዖሞ፥ እንተ ሞተ፥ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኣተን ሃዲሙ ብህይወት ይንበር። እታ መዕቘቢት ዝኾነት ከተማ ሓንቲ ጥራሕ እንተ ኾነት ግና ርሕቕቲ ኽትከውን ስለ እትኽእል፥ እቲ ፈዳዪ ሕነ ኣርኪቡ ብንደት ክቐትሎ ይኽእል እዩ። እቲ ቐታሊ ሰብ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ስለ ዘይነበሮ ሞት ኣይግብኦን እዩ። ስለዙይ ኣነ ‘ሰለስተ ኸተማ ፍለዩ’ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም፥ ምድሪኹም ምስ ኣግፍሐልኩም፥ እቲ ነቦታትኩም ክህቦም ዘተስፈዎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ምስ ሃበኩም፥ ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ኣፍቂርኩምዎ፥ ኵልሻዕ ድማ ብመንገዱ እንተ ኼድኩም፥ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚኣተን ንኣኻትኩም ካልኦት ሰለስተ ኸተማታት ኽትውስኹ ኢኹም። እዙይ ከዓ ኣብ ማእኸል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ ንፁህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ እሞ ብደም ተሓተትቲ ኸይትኾኑ እዩ። “ግና ሓደ ሰብ ንብፃዩ እንተ ፀልኦ፥ ኣድብዩ ፀኒሑ ድማ ኽሳዕ ዝመውት እንተወቕዖ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከዓ እንተ ሃደመ፥ ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ልኢኾም ካብኣ ይውሰድዎ፤ ናብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ እሞ ይቀተል። ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ነቲ ንፁህ ደም ዘፍሰሰ ኻብ እስራኤል ኣወግድዎ እምበር ዓይንኹም ኣይተናሕስየሉ። “ኣብቲ እትወርስዎ ርስትኹም፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝመሓላለፈልኩም ርስቲ እቶም ቀዳሞት ዝደረትዎ፥ ደረት ብፃይኩም ኣይትድፍኡ።” “ዝኾነ በደል ወይ ሓጢኣት እንተ ተፈፀመ፥ ብሓደ ምስክር ኣይፅናዕ። ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይፅናዕ። “ሓደ ሰብ ብሓሰት ንኻልእ ሰብ እንተ ኸሰሰ፥ ክልቲኦም ተበኣስቲ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ ፈራዶን ኣብቲ ስም እግዚኣብሄር ዝፅወዐሉ ቦታ ይቑሙ። እቶም ፈራዶ ድማ ኣፀቢቖም ይመርምሩ። እቲ ኸሳሲ፥ ንሓዉ ዝኸሰሰ፥ ብሓሰት እንተ ኾይኑ ሽዑ ኸምቲ ንሓዉ ኽገብሮ ዝሓሰበ፥ ግበርዎ። ነቲ ኽፉእ ድማ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸዓ ኽሰምዑን ክፈርሑን እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ነገርውን ኣብ ማእኸልኩም ኣይገብሩን እዮም። ነፍሲ፥ ክንዲ ነፍሲ፥ ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፥ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ፥ ኢድ፥ ክንዲ ኢድ፥ እግሪ፥ ክንዲ እግሪ ፍደይዎ እምበር ኣይተናሕስዩ።” “ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም፥ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻትኩም ዝበዝሕ ሰራዊትን እንተ ረአኹም፥ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም። ናብ ውግእ ምስ ቀረብኩም እቲ ኻህን ነቲ ሰራዊት ‘ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኣለኹም፤ እቲ ምእንቲ ኸድሕነኩም፥ ምስ ፀላእትኹምውን ክዋጋእ ምሳኻትኩም ዝኸይድ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትደንግፁ፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ኣይትጃጅዉ’ ይበል። “እቶም ኣሕሉቕ ድማ ነቶም ህዝቢ ‘ሓድሽ ገዛ ዝሰርሐ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ? ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከየመርቖስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱ ድማ ይመለስ። ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ፍረኡ ዘይበልዐ፥ ኣብ ውግእ ከይመውት፥ ካልእ ሰብ ድማ ኸይሕጐሰሉስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ። ጓል ዝተሓፅየ ሰብ እሞ ዘይተመርዓዋ መን ኣሎ? ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከይምርዐዋስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ኢሎም ይዛረብዎም። እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ወሲኾም ነቶም ህዝቢ፦ ‘ፈራሕ ሰብ፥ ልቡ ዝጃጁ መን ኣሎ? ኸምቲ ልቡ፥ ልቢ ኣሕዋቱ ኸዓ ኸየሸብርስ፥ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ይበልዎም። እቶም ኣሕሉቕ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፥ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ፥ ኣሕሉቕ ይሹሙ። “ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግእዋ ኢልኩም ምስ ቀረብኩም፥ ቅድም ንዕርቂ ፀውዕዋ። እቶም ህዝቢ ብሰላም ደገ እንተ ኸፈቱልኩም፥ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝተረኽቡ ግዙኣትኩም ይኹኑ እሞ የገልግሉኹም። ዕርቂ ኣብዮም ክዋግኡ እንተ ደለዩ ግና ነታ ኸተማ ኽበብዋ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ምስ ሃበኩም ድማ፥ ንዅሉ ተባዕታይ ብስሕለት ሰይፊ ቕተልዎ። ኣንስትን ህፃናትን እንስሳን፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉ ምርኮኣን ንኣኻትኩም ውሰድዎ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ኽትበልዑ ኢኹም። ነተን ካባኻትኩም የመና ዝረሓቓ ዅለን ከተማታት፥ ካብ ከተማታት እዞም እትወርስዎም ዘለኹም ኣህዛብ ዘይኮናውን፥ ከምኡ ግበርወን። “ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ከተማታት እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ግና፥ እስትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጉ። ንኬጢያውያንን ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ንሔዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ግና፥ ከምቲ ዅሉ ንኣማልኽቶም ዝገብርዎ ርኽሰቶም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። “ንሓንቲ ኸተማ፥ ምእንቲ ኽትሕዝዋ ብዙሕ መዓልቲ እንትትከብዋ፥ ኣእዋማ ብማሕፀ ኣይትቝረፁ። ካብኣተን ፍረ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ፥ ኣይትቝረፅወን። ዝዋግኡኹም ሰባት እምበር ኣእዋም ኣይኮኑንሞ። እተን ከም ዘይብልዓ እትፈልጡወን ኣእዋም ጥራሕ ቍረፁ። እታ እትዋግእዋ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ፥ ብእኡ ጌርኩም መኽበቢኣ ስርሑ።” “ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝተቐትለ ሰብ ኣብ በረኻ ወዲቑ እንተ ተረኽበ፥ ቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ፥ ሽዑ ዓበይትኹምን ፈራዶኹምን ከይዶም ካብቲ ሬሳ ዘለዎ ኽሳዕ እተን ኣብ ዙርያኡ ዘለዋ ኸተማታት ዘሎ ርሕቐት ይዓቅኑ። ብድሕሪዙይ እቶም ሹመኛታት ናይታ ናብቲ ሬሳ ዝቐረበት ከተማ፥ ንማሕረስ ዘይበቕዐት፥ ተቖሪና ዘይትፈልጥ ዓርሒ ይውሰዱ። ናብ ዘይሕረስን ዘይዝራእን ወሓዚ ሩባ ዘለዎ ምድሪ ይውሰድዋ። ኣብቲ ሩባ ኸዓ ነታ ዓርሒ ኽሳዳ ጓዕፂፆም ይስበርዋ። ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግልዎ ብስሙውን ክባርኹ ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ይቕረቡ። ኵሉ ባእስን ኵሉ ጉድኣትን ከዓ ኸም ቃሎም ይፅናዕ። ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ዅሎም ሹመኛታት እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ሩባ ኽሳዳ ዝተሰብረት ዓርሒ ኣእዳዎም ይተሓፀቡ። ኣስዒቦም ድማ ‘ኢድና ነዝ ደም እዙይ ኣየፍሰሰትን፥ ዓይንናውን ኣይረኣየትን። ኦ እግዚኣብሄር! ነዝ ዝተቤዘኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፤ በዝ ዝፈሰሰ ንፁህ ደም ድማ ኸም በዳሊ ኣይትቝፀሮ’ ኢሎም ይፀልዩ። በደል ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ከዓ ይሕደገሎም። ከምዙይ ጌርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ብምግባርኩም በደል ናይቲ ዝፈሰሰ ንፁህ ደም ካብ ማእኸልኩም ተርሕቑ። “ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ምስ ሃበኩም እንተ ማረኽኩምዎም፥ ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዐኛታት ኣንስቲ እንተ ረአኹም እሞ ኣንስትኹም ክትገብርወን እንተ ደለኹም ተመርዓዉወን። ናብ ውሽጢ ኣባይትኹም ኣእትዉወን፤ ርእሰን ይላፀያ፤ ፅፍረንውን ይቈረፃ። ነቲ ኽማረኻ እንተለዋ ተኸዲነናኦ ዝነበራ ኽዳውንቲ ይደርብያኦ። ኣብ ኣባይትኹም ይንበራ፤ ነቦአንን ንኖአንን ከዓ ወርሒ ምሉእ ይብከያሎም። ድሕሪዙይ ኣእትዉወን እሞ፥ ንስኻትኩም ሰብኡተን ኩኑ፤ ንሳተን ድማ ኣንስትኹም ይኹና። ብድሕሪኡ እንተ ዘይደሊኹምወን፥ ናብ ዝደለያኦ ክኸዳ ስደድወን። ንገንዘብ ግና ኸቶ ኣይትሽጥወን፤ ኣሕሲርኩምወን ኢኹም እሞ፥ ከም ባርያ ኣይትቝፀርወን። “ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ፥ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ድማ ፅልእቲ እንተ ሃልየናኦ እሞ፥ ክልቲኣተን ውሉድ እንተ ወለዳ፥ እቲ በዅሪ ኸዓ ወዲ እታ ፅልእቲ እንተ ኾነ፥ በታ ገንዘቡ ንደቁ ዘውርሰላ መዓልቲ፥ ነቲ በዅሪ ዝኾነ ወዲ እታ ፅልእቲ የውርሶ እምበር፥ ብኣድልዎ ንወዲ እታ ፍትውቲ ኣየውርሶ። ንወዲ እታ ፅልእቲ ኻብ ኵሉ ዘለዎ ዕፅፊ ብምሃብ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ። ንሱ ናይ ሓይሉ መጀመርታ ፍረ እዩ እሞ፤ በዅርነት ንእኡ እዩ ዝግባእ። “ንሓደ ሰብ፥ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ቃል ኣቦኡን ቃል እኖኡን ዘይሰምዕ፥ እንተ ቐፅዕዎውን ዘይእዘዝ፥ ውሉድ እንተ ሃለዎ፥ ኣቦኡን እኖኡን ሒዞም ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማኡ ናብ ደገ ባይቶ ይውሰድዎ። ‘እዝ ወድና እዙይ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ንቓልና ዘይሰምዕ፥ ስሱዕን ሰካርን እዩ’ ይበልዎም። ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። ክፉእ ንዝኾነ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም። “ዝኾነ ሰብ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እንተ ገበረ እሞ፥ ክመውት እንተተፈረዶ፥ ኣብ ዕንፀይቲ ድማ እንተ ሰቐልኩምዎ፥ ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበርዎ እምበር፥ ኣብ ዕንፀይቲ ኣይሕደር። እቲ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ብእግዚኣብሄር ዝተረግመ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ እቲ ሬሳ ኣብ ዕንፀይቲ ብምሕዳሩ ኣይተርክስዋ።” “ናይ ሓውኩም ብዕራይ ወይ በጊዕ ጠፊኡ ኾለል ክብል እንተ ረአኹም፥ ናብ እቲ እስራኤላዊ ሓውኩም ምለስዎ እምበር፥ ክጠፍእ ኣይትሕደግዎ። እቲ ዋናኡ ኣብ ጥቓኹም እንተ ዘይኮነ፥ ወይ መን ምዃኑ እንተ ዘይፈለጥኩምዎ፥ ነቲ እንስሳ ናብ ቤትኩም ውሰድዎ፤ እቲ ዋናኡ ኽደልዮ ኽሳዕ ዝመፅእ ምሳኻትኩም ይፅናሕ እሞ፥ ምስ መፀ ትህብዎ። ከምኡ እውን ናይ ሓደ እስራኤላዊ ሓውኩም ኣድጉ ወይ ክዳኑ ወይ ኣቕሓ ጠፊኡ እንተ ረኸብኩም ከምኡ ግበሩ፤ ክጠፍእውን ኣይትሕደግዎ። “ኣድጊ እስራኤላዊ ሓውኩም ወይ ብዕራዩ ኣብ መንገዲ ወዲቑ እንተ ረአኹም፥ ምስኡ ዄንኩም ሓጊዝኩም ኣተስእዎ እምበር ከም ዘይረአኹም ኣይትሕለፉ። “ሰበይቲ፥ ክዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፤ ሰብኣይ ከዓ ኽዳን ሰበይቲ ኣይከደን፤ ኵሉ ኸምዙይ ዝገብር ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተፀልአ እዩሞ። “ንቕድሜኹም ኣብ መንገዲ፥ ኣብ ዝኾነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዒፍ ኣብ ልዕሊ ጨቓዊታ ወይ እንቍላሊሓ ሓቚፋ እንተላ፥ ነቶም ጨቓዊት ወይ እንቍላሊሕ ሓቚፋ እንተ ረኸብኩም፥ ነታ እኖ ምስ ጨቓውታ ኣይትውሰዱ። ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ መዋእልኩም ከዓ ኽነውሕ፥ ነታ እኖ ኽትከይድ ስደድዋ፤ ነቶም ጨቓዊት ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎም። “ሓድሽ ገዛ ኽትሰርሑ እንተለኹም፥ ሰብ ካብኡ ኸይፀድፍ እሞ ንቤትኩም ናይ ደም በደል ከይተምፅኡላ ንናሕስኹም መደገፊ ግበሩሉ። “ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኹም፥ እቲ ዝዘራእኹምዎ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይጠፍአኩም “ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ፀሚድኩም ኣይትሕረሱ። “ካብ ፀጕሪ በጊዕን ልሕፂ እንጣጢዕን ተሓዊሱ ዝተኣለመ ዓለባ ኣይትከደኑ። “እቲ እትኽደንዎ ኽዳንኩም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበሩሉ። “ሓደ ሰብ ጓል ተመርዕዩ፥ ምስ ኣእተዋ እንተ ፀልኣ፥ እንተ ኣፀለማ፥ ‘ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ተመርዕየያ፥ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን’ ኢሉ ብሓሰት ክፉእ ስም እንተ ኣውፅአላ፥ ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን እኖኣን፥ እታ ጓል ብድንግልና ኸም ዝፀንሐት መረዳእታ ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማ ናብ ባይቶ የቕርቡ። ኣቦ እታ ጓል ከዓ ነቶም ሹመኛታት ‘ነዝ ሰብኣይ እዙይ ጓለይ ሰበይቱ ኽትከውን ሃብክዎ፤ ንሱ ግና ፀልኣ። እንሆ ድማ ንጓለይ “ድንግልና ኣይረኸብኩላን” ኢሉ ኣካፍኣ። መረዳእታ ድንግልና ጓለይ ግና እንሆ እዝ መንፀፋ እዩ’ ይበሎም። ነቲ ኽዳና ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ። ሽዑ እቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕፅዕዎ። ንሓንቲ እስራኤላዊት ድንግል ክፉእ ስም ስለ ዘውፅአላ ሚእቲ ቅርሺ ብሩር የዕድይዎ። እቲ ገንዘብ ድማ ነቦ እታ ጓል ይሃብዎ። ንሳ ግና ናብ ሰብኣያ ትመለስ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱውን ኣይፍትሓያ። “እቲ ነገር ሓቂ እንተ ኾይኑ ግና፥ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፥ ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውፅእዋ፥ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተላ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፥ እቶም ሰብ እታ ኸተማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዋ፤ ክፉእ ዝኾነ ዅሉ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። “ሰብኣይ፥ ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ደቂሱ እንተ ተረኽበ፥ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ። “ንሰብኣይ ዝተሓፅየት ድንግል፥ ካልእ ሰብኣይ ከዓ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፥ እታ ጓል፥ ኣብ ከተማ እንተላ ስለ ዘየእወየት፥ እቲ ሰብኣይ ከዓ፥ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዘነወረ፥ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውፂእኹም፥ ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎም፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። “ግና እቲ ሰብኣይ ነታ ሕፅይቲ ጓል ኣብ በረኻ እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ዓመፃ፥ ሽዑ እቲ ዝዓመፃ ሰብኣይ በይኑ ይቀተል። ኣብ ልዕሊ እታ ጓል ግና ኽፉእ ኣይትግበሩ። እዝ ሰብኣይ ንብፃዩ ተሲኡ ዳርጋ ዝቐተሎ እዩ እሞ፥ እታ ጓል ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል የብላን። ዝረኸባ ደኣ ኣብ በረኻ ኾይኑ እዩ እምበር፥ ንሳ፥ እታ ሕፅይቲ ጓልስ ኣእውያ ነይራ እያ፤ ዘናግፋ ግና ኣይተረኽበን። “ሓደ ሰብ ሓንቲ ዘይተሓፅየት ድንግል ጓል እንተ ረኸበ እሞ እንተ ዓመፃ፥ ሽዑ ኸዓ እንተ ተረኽቡ፥ እቲ ዝዓመፃ ሰብኣይ ነቲ ኣቦ ጓል ሓምሳ ቕርሺ ብሩር ይሃቦ። ኣነዊርዋ እዩ እሞ ሰበይቱ ትኹን። ብዅሉ ዘመኑ ድማ ኣይፍትሓያ። “ሓደ ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣየእቱ፥ ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ብምድቃስ ነቦኡ ኣየነውሮ።” “ፍረ ነፍሱ ዝተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ ዝተሰልበ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። “ድቓላ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲውን ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። “ኣሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲ ንዘለኣለምውን እንተ ኾነ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። እዙይ ከዓ ኻብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ኣብ መንገዲ እንጀራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፥ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም፥ ካብ ጴቶር ናይ ኣራም ነሃራዪም ብዋጋ ስለ ዘምፅእዎ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘፍቀረኩም ግና፥ ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ ለወጠልኩም እምበር። ምሉእ ዕድሜኹም ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለዩ። “ኤዶማውያን ግና ኣሕዋትኩም እዮም እሞ ኣይትፀየፍዎም፥ ንግብፃውያንውን፥ ኣብ ሃገሮም ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ኣይትፀየፍዎም። ካብ ሳልሳይ ትውልዲ ዝተወለዱ ደቆም ናብ ጉባኤ እግዚኣብሄር ይእተዉ። “ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ወፂእኹም ክትሰፍሩ እንተለኹም፥ ክፉእ ካብ ዝኾነ ነገር ኵሉ ሰብነትኩም ሓልዉ። ካባኻትኩም ሓደ ብለይቲ ዘርኢ እንተ ፈሰሶ፥ ካብ ሰፈር ወፂኡ ኣብ ደገ ይፅናሕ፤ ናብ ሰፈርውን ኣይእቶ። ኣጋ ምሸት ድማ ማይ ይተሓፀብ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበ ኸዓ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ። “ኣብ ወፃኢ ሰፈር፥ ቀልቀል እትወፁሉ ቦታ ይሃሉኹም። ምስ ኣፅዋርኩም መዅዓቲ ሓዙ፤ ቀልቀል ምስ ወፃእኹም በቲ መዅዓቲ ጕድጓድ ኵዒትኩም ነቲ ቐልቀልኩም ቅበርዎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ምእንቲ ኸድሕነኩምን ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ክህበኩምን፥ ብማእኸል ሰፈርኩም ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ዝኾነ ዘሕፍር ነገር ከይሪአልኩም፥ ገፁ ኸዓ ኻባኻትኩም ከይመልስ፥ እቲ ሰፈርኩም ቅዱስ ይኹን። “ካብ ጐይታኡ ዀብሊሉ ናባኻትኩም ዝተዓቘበ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍኩም ኣይትሃብዎ። ኣብ ዝደለዮ ኸተማን ኣብ ዝመረፆ ቦታን ምሳኻትኩም ይቀመጥ፤ ኣይትጨቍንዎውን። “ካብ ኣጓላት እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትሃሉ፤ ካብ ኣወዳት እስራኤልውን ኣብ ተባዕታይ ዘመንዝር ኣይሃሉ። ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፋት እዮም እሞ፥ መብፅዓኹም ዓስቢ ኣመንዝራ ሰበይትን ዋጋ ኸልብን ከም መብፅዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተእትዉ። “ካብ እስራኤላዊ ሓውኩም፥ ሃረፃ ገንዘብ ኮነ ሃረፃ እኽሊ፥ ወይ ዝኾነ ዓይነት ካልእ ሃረፃ ኣይትቀበሉ። ካብ ጓና ደኣ ሃረፃ ተቐበሉ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ስራሕኹም ምእንቲ ኽባርኸኩምስ፥ ካብ ሓውኩም ሃረፃ ኣይትቀበሉ። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መብፅዓ ምስ ተመባፃዕኹም፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ይፅበዮ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ከይኾነኩም፥ መብፅዓኹም ቀልጢፍኩም ፈፅሙ። እንተ ዘይተመባፃዕኹም ግና ሓጢኣት የብልኩምን። እቲ ኻብ ከናፍርኹም ዝወፀ፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብፍታውኩም ዝተመባፃዕኹምዎ፥ ኣፍኩም ዝተዛረቦ፥ ሓልዉዎን ፈፅሙዎን። “ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብፃይኩም እንተ ኣተኹም፥ ካብቲ ወይኒ ቓሕ፥ ከም ዝበለኩም፥ ክሳዕ እትፀግቡ ብልዑ፤ ብኣቕሓኹም ግና ኣይትውሰዱ። ናብ ዝሩእ ብፃይኩም ምስ ኣተኹም ሸዊት ብኢድኩም ቀፂኹም ብልዑ፤ ዓፂድኩም ግና ኣይትውሰዱ።” “ሓደ ሰብ ሰበይቲ እንተእተወ፥ ዘሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበላ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ ይስደዳ። ካብ ቤቱ ወፂኣ ድማ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዓወት፥ እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ፀልኣ፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ እንተ ሰደዳ፥ ወይ ድማ እንተ ሞተ፥ ስለ ዝረኸሰት እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፥ ሰበይቱ ኽትከውን መሊሱ ኽወስዳ ኣይኽእልን እዩ። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ ሓጢኣት ኣይተምፅኡላ። “ሓደ ሰብ ምስ ተመርዐወ ናብ ውግእ ኣይውፃእ፤ ካልእ ማሕበራዊ ሓላፊነት ድማ ኣይፅዓንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ገዛኡ ሓራ ይኹን፤ ነታ ዘእተዋ ሰበይቱውን የሐጕሳ። “ዝኾነ ይኹን ሰብ ትሕጃ ገይሩ መጥሓንን መዲድን ኣይውሰድ፤ ናይ ሰብ ነፍሲ ከም ምውሳድ እዩ እሞ። “ሓደ ሰብ፥ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፥ ባርያ ኽገብሮ ወይ ክሸጦ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ እቲ ሰራቒ እቱይ ይቀተል፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። “ሕማም ለምፂ እንተ ሓዘኩም፥ ከምቲ ዅሉ ሌዋውያን ካህናት ዝመሃሩኹም ግበሩ። ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎምውን ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እቲ ኻብ ግብፂ ወፂእኹም ኣብ መንገዲ እንተለኹም፥ ኣብ ሚርያም ዝገበሮ ዘክሩ። “ንብፃይኩም ዝኾነ ልቓሕ እንትተለቅሕዎ፥ ትሕጃ ኽትወስዱ ናብ ገዛኡ ኣይትእተዉ። ኣብ ደገ ደው ኢልኩም ፅንሑ፤ እቲ ዘለቃሕኹምዎ ሰብ ነቲ ትሕጃ ናብ ደገ ናባኻትኩም የውፅኣዮ። እቲ ሰብ ድኻ እንተ ኾይኑ ነቲ መትሓዚ ምሳኻትኩም ኣይተሕድርዎ። ተኸዲንዎ ምእንቲ ኽድቅስ፥ ነቲ ኽዳን ለይቲ፥ ብዓራርቦ ፀሓይ ምለሱሉ፤ ንሱውን ኽምርቐኩም እዩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ፅድቂ ኽቝፀረልኩም እዩ። “ንድኻን ፅጉምን ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛ፥ እስራኤላዊ ኾነ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታትኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኣይተጨንቕዎ። ንሱ ድኻ፥ ትፅቢቱ ድማ ኻብ ውዕለቱ እዩ እሞ፥ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት ሃብዎ፤ እንተ ዘይኮነ ናብ እግዚኣብሄር ክጠርዕ እዩ፤ ሓጢኣት ድማ ክኾነኩም እዩ። “ኣቦታት ብሓጢኣት ደቆም ኣይቀተሉ፤ ደቆምውን ብሓጢኣት ኣቦታቶም ኣይቀተሉ፤ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይቀተል። “ንስደተኛን ንደኽታምን ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ክዳን መበለት ከዓ ብትሕጃ ኣይትውሰዱ። ንስኻትኩም ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ ኻብኣ ኸም ዘድሓነኩምን ዘክሩ። ስለዙይ ድማ እየ ነዝ ነገርዙይ ክትገብርዎ ዝእዝዘኩም ዘለኹ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ ግብሪ ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩምስ፥ እኽልኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተ ረሳዕኹም፥ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፥ ክትወስድዎ ኣይትመለሱ። ፍረ ኣውሊዕኹም ክተርግፉ እንተለኹም፥ መሊስኩም ኣብ ጨንፈር ዘሎ ኣይትእረዩ፤ ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን። ወይንኹም ክትቅንጥቡ እንተለኹምውን፥ መሊስኩም ኣይትቐርምዎ። ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን። ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ስለዙይ ከዓ እየ ነዝ ነገርዙይ ክትገብርዎ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።” “ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ተልዓለ፥ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ። እቶም ፈራዶ ነቲ ቕኑዕ ነፃ የውፅእዎ፤ ነቲ በዳሊ ኸዓ ይቕፅዕዎ። እቲ በዳሊ መግረፍቲ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ፈራዲ፥ ብኣፍ ልቡ ናብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ፥ ከም ልክዕ በደሉ ብቝፅሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ። ይኹን እምበር ካብ ኣርብዓ ዝበዝሕ ኣየግርፎ፤ እስራኤላዊ ሓውካ ኣብ ቅድሜኻ ኸይሓስር ካብ ኣርብዓ ኣይብዛሕ። “እኽልኻ እንትተኽይድ ኣፍ ብዕራይ ኣይትልጐም። “ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፥ እቲ ሓደ ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ፥ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ኻብ ቤተ ሰብ ወፃኢ ንኻልእ ኣይትመርዖ። እቲ ሓሙታ ተመርዕዩ ንባዕሉ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈፅመላ። ስም እቲ ምዉት ሓዉ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ ድማ፥ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስም እቲ መዋቲ ይፀዋዕ። “እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኽወርሳ እንተ ዘይደለየ፥ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ባይቶ፥ ናብቶም ሹመኛታት ትኺድ፤ ‘ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ምቛም ኣብዩ፤ እቲ ኸም ሓሙት ዝግብኦ ኽፍፅመለይ ኣይደለየን’ ኢላ ትንገሮም። ሽዑ እቶም ሹመኛታት ከተማ ናብኣቶም ፀዊዖም ይዛረብዎ። ንሱ ኸዓ፥ ‘ክወርሳ ኣይደልን እየ’ ኢሉ እንተ ፀንዐ፥ እታ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት ናብኡ ትቕረብ፤ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውፅእ፤ ናብ ገፁ እውን እንትፍ ትበለሉ፤ ‘ገዛ ሓዉ ንዘይሃንፅ ሰብ ከምዙይ ይግበሮ’ ኢላ ድማ ትዛረብ። ስሙ ኸዓ ኣብ እስራኤል ‘ቤት ፍቱሕ ሳእኑ’ ይበሃል። “ክልተ ሰባት ንስንሳቶም እንተ ተበኣሱ፥ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸዓ፥ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዝወቕዖ ኽተድሕኖ ኢላ፥ ሓፍረት እቲ መባእስቱ እንተ ሓዘት፥ ኢዳ ቝረፅዋ፥ ኣይተናሕስዩላ። “ኣብ ውሽጢ ኸረጢትኩም ማዕረ ዘይኮነ ዓቢይን ንእሽተይን መስፈሪ ወይ ሚዛን ኣይትሓዙ። ኣብ ገዛኹም ማዕረ ዘይኮነ ዓቢይን ንእሽተይን መስፈሪ ወይ ሚዛን ኣይሃሉኹም። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ትኽክልን ቅኑዕን ሚዛን ይሃሉኹም፤ ትኽክልን ቅኑዕን መስፈሪውን ይሃሉኹም። ነዝ ዅሉ ዝገብርን ዝዕምፅን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅሉእ እዩ። “ካብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ነቲ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ ዝገበሩኹም ዘክርዎ። ንስኻትኩም ደኺምኩምን ዓቕሚ ስኢንኩምን እንተለኹም፥ ኣብ መንገዲ ብድንገት ከም ዝተራኸቡኹም ንእግዚኣብሄር እንተይፈርሑ ኸዓ፥ ነቶም ዳሕረዎት፥ ንዅሎም እቶም ብድሕሬኹም ዝነበሩ ድኹማትኩም ከም ዝወቕዑ ዘክርዎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ ንሱ ኽትወርስዋ ርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ፀላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፥ ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስስዎ፥ ኣይትረስዕዎውን። “ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ወሪስኩምዋ ድማ ኣብኣ ምስ ተቐመጥኩም፥ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪኹም፥ እተእትውዎ ዅሉ መጀመርታ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንመሕደሪ ስሙ ዝሓረያ ቦታ ኺዱ። ናብቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ኻህን ኣቲኹም ከዓ ‘ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኽህበና፥ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ኸም ዝኣተና ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነፍልጥ ኣለና’ በልዎ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድኩም ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም የንብሮ። ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፦ ‘ኣቦና ኸርተት ዝብል ሶርያዊ ነበረ፤ ንሱን ስድራኡን ናብ ግብፂ እንትወርዱ፥ ቍፅሮም ውሑድ ነበረ፤ ስደተኛታት ኮይኖምውን ኣብኣ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ኸዓ ዓቢይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾኑ። ግብፃውያን ግና ኽፉእ ገበሩና፤ ኣጨነቑና፤ ከቢድ ስራሕ ድማ ኣብ ልዕሌና ፀዓኑና። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸዓ ተማህለልና፤ እግዚኣብሄር ድማ ቓልና ሰምዐ፤ እቲ ዝተገፋዕናዮን ድኻምናንውን ረአየ። እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብዘደንቕ ዓብዪ ነገርን ብምልክትን ብተኣምራትን ካብ ግብፂ ኣውፅአና። ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸዓ ኣእተወና፤ ነዛ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ ሃበና። ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ መጀመርታ ፍረ እታ ዝሃብካና ምድሪ ኣምፂእና ኣለና’ በሉ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ ስገዱ። በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንቤትኩምን ዝሃበኩም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ንስኻትኩምን እቲ ሌዋዊን ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ስደተኛን ከዓ ብሓደ ዄንኩም ተሓጐሱ። “በታ ዓመት ኣስራት ዝኾነት ሳልሰይቲ ዓመት፥ ኣስራት ኵሉ እቶትኩም ምስ ኣውፃእኹም፥ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም በሊዖም ክፀግቡስ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሃብዎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ‘ነቲ ዝተቐደሰ ኣስራት ካብ ገዛና ኣውፂእና፥ ከምቲ ዝኣዘዝካና ዅሉ ትእዛዛትካ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሂብና ኣለና፤ ካብ ትእዛዛትካ ሓደ እኳ ኣየጕደልናን፤ ኣይረሳዕናንውን። ብጊዜ ሓዘንና ኻብኡ ኣይበላዕናን፤ ዘይንፁሃት እንተለና ኸዓ ኻብኡ ኣየውፃእናን፤ ምእንቲ ምዉትውን ካብኡ ኣይሃብናን፤ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሰሚዕና ኣለና፤ ብዅሉ ነገር ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝካና ገበርና። ካብቲ ቅዱስ መሕደሪኻ፥ ካብ ሰማይ ጠምት እሞ ንህዝብኻ እስራኤልን ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ንኣናውን ዝሃብካና፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፍርያም ምድሪ ባርኽ።’ “በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዝ ሕግጋትን ትእዛዛትን ክትፍፅምዎ ይእዝዘኩም ኣሎ እሞ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ሓልውዎን ፈፅምዎን። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ድማ ብመንገዱ ኸም እትኸዱ፥ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ከም እትሕልዉ ቓሉውን ከም እትሰምዑ ሎሚ ኣፍለጥኩም። እግዚኣብሄር ከዓ ሎሚ ንስኻትኩም ከምቲ ዝበለኩም፥ ህዝቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ከምቲ ንሱ ዘተስፈወኩም ከዓ ብፍላይ ገንዘቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ኸም እትሕልዉ ኣፍለጥኩም። ንሱ ኸዓ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዕል ከም ዘብለኩም፥ ንስኻትኩም ከዓ ንስሙ ኽብርን ምስጋናን ከም እተቕርቡ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም ድማ ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ኸም እትኾኑ ኣፍለጠኩም።” ሙሴ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ኮይኑ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “እዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ሓልውዎ። ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበኩም ምድሪ፥ በታ ንፈለግ ዮርዳኖስ እትሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣቑሙ እሞ፥ ብኖራ ለቕልቕዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈዎ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉ ምስ ተሳገርኩም፥ ንቓላት እዝ ሕጊ እዙይ ኣብኡ ፀሓፍዎ። ንፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም ድማ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነዝ ኣእማን እዙይ፥ ኣብ እምባ ጌባል ኣቑምዎ፤ ኖራ ኸዓ ለቕልቕዎ። ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ሓፂን ብዘይነኽኦ ኣእማን፥ መሰውኢ ንደቑ። ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሰውኢ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቕዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእኹም ኣብኡ ብልዑ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተሓጐሱ። ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ድማ ግሉፅን ፅቡቕን ጌርኩም ኣብቲ ኣእማን ፀሓፍዎ።” ሙሴ ምስቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ኮይኑ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኦ እስራኤል! ስቕ ኢልኩም ስምዑ፤ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ኢኹም። እምበኣር ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተኣዘዙ፤ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ ፈፅምዎ።” ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፥ ነገዳት ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዮሴፍ፥ ብንያም ኣብ እምባ ገሪዛን ቆይሞም ንህዝቢ ይባርኹ። ነገዳት ሮቤል፥ ጋድ፥ ኣሴር፥ ዛብሎን፥ ዳን፥ ንፍታሌም ድማ ኣብ እምባ ጌባል ቆይሞም ይርገሙ። ሌዋውያን ድማ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ብዓብዪ ድምፂ ኸምዙይ እናበሉ ይዛረብዎም፦ ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ፥ “ኣሜን” ይበል። ዅሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተኣዚዝኩምዎ፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱ ኸዓ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሊኹምዎ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ልዕል ከብለኩም እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኹም፥ እዝ ዅሉ በረከት ክመፀኩም እዩ፤ ክረኽበኩምውን እዩ፦ “ንስኻትኩም ኣብ ከተማ ብሩኻት ክትኮኑ ኢኺም፤ ኣብ ገራሁውን ብሩኻት ክትኮኑ ኢኹም። “ፍረ ከርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ፍረ እንስሳኹምን፥ ምውላድ ኣላሕምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኹምን ከዓ ቡሩኽ ክኸውን እዩ። “መሶብኩምን መልወሲኹምን ቡሩኽ ክኸውን እዩ። “ኣብ ምእታውኩም ብሩኻት ክትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምውፃእኹምውን ቡሩኻት ክትኮኑ ኢኹም። “ነቶም ዝለዓሉኹም ፀላእትኹም፤ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኹም ተስዓርቲ ኽገብሮም እዩ፤ ብሓንቲ መንገዲ ኽመፁኹም እዮም፤ ካብ ቅድሜኹም ድማ ብሸውዓተ መንገዲ ኽሃድሙ እዮም። “እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹምን ቆፎኹምን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩምን በረከት ንኽወርድ ክእዝዘልኩም እዩ። ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ዝህበኩም ምድሪ ድማ ኽባርኸኩም እዩ። “ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሓሊኹም፥ ብመንገዱውን እንተ ኼድኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሓለልኩም ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኸቑመኩም እዩ። ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ ብስም እግዚኣብሄር ከም ዝተፀዋዕኹም ሪኦም ክፈርሑኹም እዮም። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ክህበኩም፥ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን እግዚኣብሄር ኣፀቢቑ ኸብዝሐልኩም እዩ። “ንምድሪኹም ዝናም ብጊዜኡ ምእንቲ ኽህብ እሞ ዅሉ ተግባር ኢድኩም ድማ ኽባርኽ፥ እግዚኣብሄር ንሰማይ፥ ነቲ ፅቡቕ መዝገቡ፥ ክኸፍተልኩም እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ዝኾነ ኣይትልቅሑን ኢኹም። ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹምዎ፥ ተጠንቂቕኩም ከዓ እንተ ሓሊኹምዎ፥ ካብዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ነገር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም እንተዘየግሊስኩም፥ ክትሰግዱሎምን ከተምልኹዎምን ኢልኩም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይሰዓብኩም፥ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር ጭራ ኣይገብረኩምን፤ ኵልሻዕ ላዕለዎት እምበር ታሕተዎት ከቶ ኣይትኾኑን ኢኹም። “ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዚዝኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ንምፍፃም ድማ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ እዝ ዅሉ መርገም ክመፀኩም እዩ፤ ክረኸበኩምውን እዩ፦ “ንስኻትኩም ኣብ ከተማ ርጉማት ክትኮኑ፥ ኣብ ገራሁውን ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም። “ከፈርኩምን መልወሲኹምን ዝተረገመ ክኸውን እዩ። “ፍረ ኸርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ምፍራይ ኣላሕምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኹምን ርጉም ክኸውን እዩ። “ንስኻትኩም ኣብ ምእታውኩም ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምውፃእኹምውን ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም። “ንኣይ ሓዲግኩም ክፉእ ስለ ዝገበርኩም፥ ክሳዕ እትጠፍኡን ቀልጢፍኩም ድማ ኽሳዕ እትፈልሱን፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩም መርገምን ሁከትን ውርደትን ክሰደልኩም እዩ። ካብታ ኽትወርስዋ እትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ እግዚኣብሄር ሕማም ፌራ ከልግበልኩም እዩ። እግዚኣብሄር ብዘማስን ሕማምን ብዓሶን ብረስንን ብቝስልን ብሃሩርን ብድርቅን ብሕሞድያን ክወቕዐኩም እዩ፤ ክሳዕ እትጠፍኡ ድማ ኸሳጕጉኹም እዮም። ኣብ ልዕሊ ርእስኹም ዘሎ ሰማይ ነሃስ፥ ኣብ ትሕቴኹም ዘላ ምድሪ ኸም ሓፂን ክትኮነኩም እያ። እግዚኣብሄር ንዝናም ምድሪኹም በነንታን ሓመድን ክገብሮ እዩ። ክሳዕ እትጠፍኡ ኸዓ፥ እዙይ ካብ ሰማይ ክወርደኩም እዩ። “እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም። ሬሳታትኩም ምግቢ ዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ክኸውን እዩ፤ ዘባርሮም ከዓ ኣይህሉን እዩ። እግዚኣብሄር ፈውሲ ብዘይብሉ ብቝስሊ ግብፂ፥ ብሕበጥን ብመግለንጭዋን ብዓበቕን ብለሓሲቶን ገይሩ ኽወቕዐኩም እዩ። እግዚኣብሄር፥ ብዕብዳንን ብዕውራንን ብድንጋፀን ክወቕዐኩም እዩ። ዕዉር ብፀልማት ሃሰስ ከም ዝብል ድማ፥ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብሉ ኢኹም፤ መንገድኹምውን ቅኑዕ ኣይኸውንን፤ ኣብ ዅሉ እትገብርዎ ኣይቐንዐኩምን እዩ። ኵልሻዕ ክትግፍዑን ክትዝመቱን ኢኹም፤ ዘድሕነኩም ከዓ የለን። “ሰበይቲ ኽትሕፀዩ ኢኹም፤ ግና ኻልእ ምስኣ ኽድቅስ እዩ፤ ቤት ክትሰርሑ ኢኹም፤ ግና ኣብኡ ኣይትነብሩን ኢኹም። ወይኒ እውን ክትተኽሉ ኢኹም፤ ግና ኻብኡ ፍረ ኣይትእክቡን ኢኹም። ብዕራይኩም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ክሕረድ እዩ፤ ግና ኻብ ስጋኡ ኣይትበልዑን ኢኹም። ኣድግኹም ኣብ ቅድሜኹም ክዝረፍ እዩ፤ ኣይምለሰኩምንውን እዩ። ኣባጊዕኹም ንፀላእትኹም ክወሃባ እየን፤ ዝረድአኹም ድማ ኣይህሉን። ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ንኻልእ ህዝቢ ኽወሃቡ እዮም። ንስኻትኩም ድማ ኽትርእይዎም ምሉእ መዓልቲ ዓይንኹም ብሃረርታ ቐባሕባሕ ክተብሉ ኢኹም፤ ግና ኣብ ኢድኩም ሓይሊ ኣይህሉን። ፍረ ምድሪኹምን ኵሉ ፃዕሪኹምን ድማ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽበልዖ እዩ። ኵልሻዕ ከዓ ግፉዓትን ጭኑቓትን ክትኮኑ ኢኹም። ኣዒንትኹም ካብ ዝሪኡዎ ዝተልዓለ ዕቡዳት ክትኮኑ ኢኹም። እግዚኣብሄር ክትሓውዩሉ ብዘይትኽእሉ፥ ብሕሱም ሕበጥ ኣብ ብርክኹምን ኣብ ዳንጋኹምን ካብ ከብዲ እግርኹም ክሳዕ መንበስበስታ ርእስኹም፤ ክወቕዐኩም እዩ። “እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም እተንግስዎ ንጉስኩምን፥ ቅድሚ ሕዚ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽሰደኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንዕንፀይትን ንእምንን፥ ክተምልኹ ኢኹም። ኣብ ማእኸል እቶም እግዚኣብሄር ናብኣቶም ዘእተወኩም ኵሎም ኣህዛብ ከዓ፥ መገረሚን መመሰሊን መፅረፊን ክትኮኑ ኢኹም። “ኣብ ግራትኩም ብዙሕ ዘርኢ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ግና ኣንበጣ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ውሑድ ክትእክቡ ኢኹም። ወይኒ ኽትተኽሉ፥ ክትኵስኵስዎውን ኢኹም፤ ግና ሓሰኻ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይትሰትዩሉን፤ ሓደ እኳ ኣይትእክቡን ኢኹም። ኣብ ኵሉ ሃገርኩም ኣውሊዕ ክኾነልኩም እዩ፤ ግና፥ እቲ ኣውሊዕኹም ክረግፍ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣይትልከዩን ኢኹም። ኣወዳትን ኣጓላትን ቈልዑ ኽትወልዱ ኢኹም፤ ግና ተማሪኾም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም ኣይኾኑን እዮም። ንዅሉ ኣእዋምኩምን ፍረ ምድሪኹምን፥ ኵብኵብታ ኽወርሶ እዩ። “ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታት መመሊሶም ልዕሌኹም ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና መመሊስኩም ትሕቲኦም ክትኮኑ ኢኹም፤ ንሳቶም ከለቅሑኹም እዮም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይተለቅሕዎምን ኢኹም፤ ንሳቶም ርእሲ ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና ጭራ ኽትኮኑ ኢኹም። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም፥ እቲ ዝኣዘዘኩም ትእዛዛቱን ሕግጋቱንውን ስለ ዘይሓለኹም፥ እዞም ኵሎም መርገማት ክወርዱኹም፥ ክሳዕ እትጠፍኡ ኽወርድኹም ከሳጕጉኹም ክረኽቡኹም እዮም። እዙይ ንኣኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹምን ንዘለኣለም ንምልክትን ንመደነቕን ክኸውን እዩ። ኵሉ ኣብዚሑ ስለ ዝሃበኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ኢሉኩም ብሕጉስ ልቢ ስለ ዘየገልገልኩምዎ እዩ። ስለዙይ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልኩም ፀላእትኹም ኣብ ጥሜትን ኣብ ፅምእን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝእዎም ኢኹም። ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ከዓ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድኩም ከንብሩልኩም እዮም። “ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ። ገፆም ዘፍርሕ ህዝቢ፥ ገፅ ሽማግለ ሪኦም ዘይሓፍሩ፥ ነናእሽቲ ዘየናሕስዩ ኸምፅእ እዩ። ክሳዕ እትጠፍኡ ኸዓ፥ ውሉዳት መጓሰኹምን ከፍትኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክበልዑ እዮም፤ ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ስርናይ፥ ወይኒ፥ ዘይቲ፥ ምራኽ ላሕምኹም፥ ሌማታት ኣባጊዕኹም ኣይገድፉልኩምን እዮም። እቲ ንስኻትኩም እትኣምንዎ ነዊሕን ፅኑዕን ቅፅርኹም ኣብ ኵሉ ሃገርኩም ክሳዕ ዝፈርስ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም። “ፀላእትኹም ከቢቦም ምስ ኣጨነቑልኩም፥ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ደቅኹም ዝኾኑ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክትበልዑ ኢኹም። ኣባኻትኩም ርህሩህን በቝባቝን ዝበሃል ሰብኣይ እኳ ንሓዉን ነታ ዘፍቅራ ሰበይቱን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይሪኦም። ካብቲ ዝበልዖ ዘሎ ስጋ ደቁ ኸዓ ንሓደ እኳ ኣይህብን እዩ። በቲ ፀላእትኹም ንዅለን ከተማታትኩም ከቢቦም ዘጨንቑኹም ጭንቂ ዝብላዕ ኻልእ ነገር ኣይተርፎን እዩ። ኣባኻትኩም እታ ቝፅይፅይ እትብልን ሕንቅቕትን፥ ብሕንቃቐኣን ቍፅይፅይ ብምባላን ብእግራ ምድሪ ኽትረግፅ ዘይትደሊ ሰበይቲ እኳ ነቲ እትፈትዎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ብኽፉእ ዓይኒ ትሪኦም። በቲ ፀላእትኹም ከቢቦም ኣብ ከተማታትኩም ዘጨንቁኹም ጭንቂ ዅሉ ነገር ስለ ዝሰኣነት፥ ነቲ ኻብ ማህፀና ዝወፀ መዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሓቢኣ ኽትበልዖም እያ። “ነዝ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈ ዅሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክትፍፅምዎ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ ነዝ ምስጉንን መፍርሕን ዝኾነ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ እንተ ዘይፈሪሕኹም፥ እግዚኣብሄር ዘስካሕክሕ መቕሰፍቲ ናባኻትኩምን ናብ ዘርእኹምን፥ ብርቱዕ እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ መቕሰፍቲ፥ ሕሱም እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ሕማም ክሰደልኩም እዩ። ነቲ ዝፈራሕኹምዎ ዅሉ ሕማም ግብፂ ናብ ልዕሌኹም ክመልሶ እዩ እሞ፥ ክለግበኩም እዩ። ክሳዕ እትጠፍኡ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መፅሓፍ እዝ ሕጊ እዙይ ዘይተፅሓፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕሰፍትን ከምፅአልኩም እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም ንስኻትኩም ኣቱም ቅድም ምብዛሕኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፥ ብቝፅሪ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም። እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ከሀብትመኩምን ከብዝሐኩምን ብኣኻትኹም ደስ ዝበሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብምጥፋእኹምን ፋሕ ብምባልኩምን ደስ ክብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ክትንቀሉ ኢኹም። “እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ብዕንፀይትን ብእምንን ንዝተሰርሑ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ንዘይትፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢኹም። ኣብ ማእኸል እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ከዓ ሰላም ኣይትረኽቡን ኢኹም፤ እግርኹም ዘዕርፈሉ ምድሪ እውን ኣይህልወኩምን እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ዝንቅጥቀጥ ልቢ ዝፈዘዘ ዓይኒ ድኹም ነፍሲ ኸምፅአልኩም እዩ። ህይወትወኩም ኣብ ቅድሜኹም ዝተንጠልጠለ ክኸውን እዩ፤ ለይትን መዓልትን ድማ ኽትፈርሑ ኢኹም፤ ብህይወትኩም ከዓ ኣይትተኣማመኑን ኢኹም። ንስኻትኩም ስለ እትፈርሕዎ ፍርሓት ልብን፥ ብዓይንኹም ስለ እትሪኡዎ ምርኣይን፥ ጊሓት መኣዝ ይመሲ፥ ምሸትውን መኣዝ ይወግሕ ኽትብሉ ኢኹም። በታ፥ ‘ደጊም መሊስኩም ኣይትሪእዋን ኢኹም’ ዝበልኩኹም መንገዲ፥ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብፂ ኽመልሰኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ክትኮኑ፥ ንባዕልኻትኩም ናብቶም ፀላእትኹም ክትሸጡ ትደልዩ፥ ዝዕድገኩም ግና ኣይርከብን።” እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ኮሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከዓ ንሙሴ ምስኣቶም ክኣቱ ዝኣዘዞ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ሙሴ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ ንፈርዖንን ንዅሎም ሹመኛታቱን ንዅላ ምድሩን ዝገበሮ ርኢኹም ኢኹም። እቲ ዓበይቲ ፈተናታትን፥ እቲ ምልክታትን ዓበይቲ ተኣምራትን በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። ግና እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እተስተብህሉሉ ልቢ፥ እትሪኡሉ ዓይኒ፥ እትሰምዑሉ እዝኒ ኣይሃበኩምን። ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም፤ ክዳውንትኹም ኣይበለየን፤ ኣሳእንኩምውን ኣይኣረገን። እንጀራ ኣይበላዕኹምን ወይንን ብርቱዕ መስተንውን ኣይሰተኹምን። እግዚኣብሄር ግና፥ ኣምላኽኩም ምዃኑ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ ባዕሉ መገበኩም። “ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መፃእና ኸዓ፥ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን ዓግ ንጉስ ባሳንን ክዋግኡና ኢሎም ወፁ፤ ንሕና ግና ሰዓርናዮም። ሃገሮም ሓዝና፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ርስቲ ሃብናዮም። “ኵሉ እቲ እትገብርዎ ምእንቲ ኽሰልጠኩምስ ንቓል እዝ ኺዳን እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ። ሎሚ ዅልኻትኩም፥ ኣሕሉቕኩም፥ መራሕቲ ነገዳትኩም፥ ዓበይትኹም፥ ሹመኛታትኩም፥ ኵሎም ሰብኡት ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ደቅኹምን ኣንስትኹምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ፈለፅቲ ዕንፀይትኹምን፥ ቀዳሕቲ ማይኩም ዝኾኑ ጓኖትን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም። ከምቲ ዘተስፈወኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሎሚ ምሳኻትኩም ብማሕላኡ ዘቖሞ ቃል ኪዳን ምእንቲ ኽትኣትዉ፥ ሎሚ ህዝቡ ገይሩ ኸቑመኩም፥ ንሱ ኸዓ ኣምላኽኩም ክኸውን ኣብዙይ ደው ኢልኩም ኣለኹም። እዝ ኺዳን እዙይን እዝ ማሕላ እዙይን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዙይ ምሳና ቖይሞም ዘለዉን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዙይ ዘየለዉንውን እምበር፥ ምሳኻትኩም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዘቑሞ ዘለኹ። “ኣብ ግብፂ ኸመይ ከም ዝነበርናን ብማእኸል ኣህዛብ ድማ ኸመይ ከም ዝሓለፍናን ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ኣብኣቶም ዝነበረ ብዕንፀይትን ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ዘፀይፍ ጣዖታቶም ረአኹም። እምበኣር ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ዓሌት ኮነ ነገድ፥ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመልስ እሞ ኸይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ዘምልኽ ከይህልወኩም፥ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዘብቍል ሱር ጣዖት ከዓ ኸይርከበኩም ተጠንቀቑ። “ንቓል እዝ መርገም እዙይ ሰሚዑ፥ ብልቡ ‘ኣነስ ብትሪ ልበይ ከም ድሌተይ ክኸይድ እየ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ሰናይ ክኾነለይ እዩ’ ዝብል ሓደ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። እዝ ሰብ እዙይ ንዅልኻትኩም ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ናይ ጥፍኣት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዝ ሰብ እዙይ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን እዩ። ክንድኡስ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ኣብ ልዕሊኡ ኽነድድ እዩ። እቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍዙይ ተፅሒፉ ዘሎ መርገም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኽወርድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ እዝ ሕጊ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ዅሉ ናይ ኪዳን መርገም፥ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ንጥፍኣት ክፈልዮ እዩ። “ብድሕሬኹም ዝለዓሉ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፁ ባዕዳንን ከዓ ናይዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምፅአላ ሕማምን ክሪኡ እዮም። ከምቲ እግዚኣብሄር ተቘጢዑን ነዲዱን ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሲባዮንን ዝገምጠለን፥ ኵላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተፍርን ሳዕሪ ኸይተብቍልን፥ ብዲንን ጨውን ዝተቓፀለት ክትከውን እያ። ኵሎም ህዝብታት ድማ ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ ኸምዙይ ዝገበራ? ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር የመና ዝተቘጥዓ?’ ኽብሉ እዮም። “ከምዙይ ኢሎም ከዓ ኽምልሱሎም እዮም፦ ‘እቲ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፅኦም ምስኣቶም ዝኣተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደጉ እዩ። ከይዶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣይትስገዱሎም ኢሉ ንዝኸልከሎም፥ ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ስለ ዘምለኹን ስለ ዝሰገዱሎምን እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ የመና ተቘጥዓ፥ እቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈ ዅሉ መርገም ድማ ኣውረደላ። እግዚኣብሄር ብዅራን ብንደትን ብዓብዪ ቝጥዓን ካብ ሃገሮም ንቕል ኣቢሉ ኸምዝ ሎሚ ኾይኖምዎ ዘለዉ፥ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም።’ “ኵሉ እቲ ስዉር ነገር ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፥ እቲ ግሉፅ ግና፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ምእንቲ ኽንፍፅም፥ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ። “ኵሉ እዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርኩልኩም በረከትን መርገምን ምስ መፀኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብቶም ፋሕ ዘበለኩም ኵሎም ኣህዛብ ኴንኩም ከዓ፥ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም እንተ ሓሰብኩምዎ፥ ከምዝ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተመሊስኩም፥ ቃሉ ድማ እንተ ሰሚዕኹም፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምርኮኹም ክምልሰልኩም ክርህርሀልኩምውን እዩ፤ ካብቶም ናብኣቶም ፋሕ ኣቢሉኩም ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሊሱ ኽእክበኩም እዩ። እቶም ሰጐጕትኹም ክሳዕ ወሰን ምድሪ እኳ እንተ ኣብፅሑኹም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብኡ ኽእክበኩም እዩ፤ ካብኡውን ከምፅአኩም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ናብታ ኣቦታትኩም ዝወረስዋ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትወርስዋ ኢኹም እሞ፥ ንሱ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ካብ ኣቦታትኩም ድማ ብዝበለፀ ኸብዝሐኩም እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ምእንቲ ኽተፍቅርዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንዘርእኹምን ዝእዘዝ ልቢ ኽህበኩም እዩ። እዝ ዅሉ መርገም እዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብቶም ዝፀልኡኹምን ዝሰጕኹምን ፀላእትኹም ክመልሶ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ተመሊስኩም ንቓል እግዚኣብሄር ክትሰምዕዎ፥ ነዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱ ኸዓ ኽትፍፅምዎ ኢኹም። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም፥ ኣብዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ዝተፅሓፈ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ እንተ ሓሊኹም፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ተመሊስኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትኩም ተሓጕስዎ ዝነበረ፥ መሊሱ ንኣኻትኩም ፅቡቕ ብምግባር ክሕጐስ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኵሉ ተግባር ኢድኩምን ውሉድኩምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክባርኸልኩም እዩ። “እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት፥ ንኣኻትኩም የመና ዘፀግምን ካባኻትኩም ዝረሓቐን ኣይኮነን። ስለዙይ ‘ናብ ሰማይ ዝድይበልናን ዘምፅአልናን ክንገብሮ ኸዓ ዘስምዐና መን እዩ?’ ከይትብሉ ኣብ ሰማይ ኣይኮነን ዘሎ። ‘ባሕሪ ዝሳገረልናን ዘምፅአልናን፥ ክንገብሮ ኸዓ ዘስምዐና እሞ መን እዩ?’ ኸይትብሉውን፥ ኣብ ማዕዶ ባሕሪ ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ቓል ኣብ ኣፍኩምን ኣብ ልብኹምን የመና ቐረባኹም እዩ ዘሎ፤ ስለዙይ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። “ረአ፥ ሎሚ ህይወትን በረከትን፥ ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣለኹ። ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን ክትበዝሑን፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ፥ ብመንገዱ ኸዓ ኽትከዱ፥ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ፍርድታቱን ድማ ኽትሕልዉ፥ ኣነ ሎሚ እእዝዘኩም ኣለኹ። ግና ልብኹም ንድሕሪት እንተ ተመለሰ እሞ ምእዛዝ እንተ ኣበኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኸዓ እንተ ተስሓብኩምን እንተ ኣምለኽኩምዎምን፥ ብርግፅ ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ እነግረኩም ኣለኹ። ኣብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ፥ መዋእልኩም ክሓፅራ እየን። “ህይወትን ሞትን፥ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ከም ዘለኹ፥ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም። እምበኣር ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ህይወት ምረፁ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ህይወትኩም እዩ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽህበኩም እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ቃሉ ድማ ስምዑ፤ ናብኡውን ቅረቡ።” ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ፤ ደጊም ክወፅእን ክኣቱን ኣይክእልን። እግዚኣብሄር ድማ ‘ነዝ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ’ ኢሉኒ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀቅድሜኹም ክሳገር እዩ፤ ንሱ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩምውን ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ኢያሱ ኽመርሐኩም እዩ። እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ንነገስታት ኣሞራውያን፥ ሴዎንን ኦግን፥ ምስ ምድሮም ዘጥፍኦም፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ኸምኡ ኽገብሮም እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ከዓ ግበርዎም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ክኸይድ እዩ፤ ኣይጠልመኩምን፤ ኣይሓድገኩምንውን እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ ትብዑ፤ ኣይትፍርሑ፤ ብኣኣቶም ኣይትሸበሩ።” ሙሴ ድማ ንኢያሱ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል “ንስኻ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፥ ንስኻ ድማ ኽተውርሶም ኢኻ እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን። እግዚኣብሄር ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ፤ ምሳኻ ክኸውን እዩ፤ ኣይጠልመካን እዩ፤ ኣይሓድገካንውን እዩ። ስለዙይ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ” በሎ። ሙሴ ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ፅሒፉ፥ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ደቂ ሌዊን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ሃቦም። ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም “ኣብ ሸሸውዓተ ዓመት መወዳእታ፥ በታ ዕዳ ዝመሓረላ ዓመት፥ ብበዓል ዳስ፥ ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሰግዱ ምስ መፁ፥ ነዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ኣንብቦ። ምእንቲ ኽሰምዑን ክመሃሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፈርሕዎ፥ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ከዓ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽሕልውዎ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ከተማታትኩም ንዝነብሩ ባዕዳንን፥ ኣክብዎም። በዝ መንገዲ እዙይ እቶም ነዝ ሕጊ እዙይ ዘይፈልጡ ደቆም ክሰምዑን ክመሃሩን እዮም። ኣብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ብዅሉ ዘመን ህይወቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክእዘዝዎ እዮም።” እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያሞ፥ ንኢያሱ ናባኻ ፀውዓዮ፤ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸዓ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቁሙ” በሎ። ሙሴን ኢያሱን ድማ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቆሙ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ብዓምዲ ደመና ተርኣየ። እቲ ዓምዲ ደመና ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ቆመ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብድሕሬኻ ኸዓ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠልሙኒ እዮም፤ ደድሕሪ እቶም ኣማልኽቲ ናይታ ዝኣትዉዋ ዘለዉ ምድሪ ኽስዕቡ እዮም። ንኣይ ክሓድጉኒ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን እውን ከፍርስዎ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም። በቲ ዅሉ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስጋድ ዝገበርዎ ኽፉእ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገፀይ ፈፂመ ኽሓብእ እየ። “ሕዚ ኸዓ እዝ መዝሙር እዙይ ፀሓፎ እሞ፥ ንደቂ እስራኤል መሃሮም፥ ኣብ ደቂ እስራኤል ምስክር ምእንቲ ክኾነኒ ኸዓ ኸም ዝዝምርዎ ግበር። ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእተኹዎም፥ በሊዖምውን ምስ ፀገቡን ምስ ሃጠሩን፥ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኽምለሱን ከምልኽዎምን እዮም። ንኣይ ግና ኽንዕቑኒ ኺዳነይውን ከፍርሱ እዮም። ብዙሕ ጕድኣትን ጭንቕን ምስ ረኸቦም፥ እዝ መዝሙር እዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ክምስክረለይ እዩ፤ ካብ ኣፍ ደቆም ኣይርሳዕን እዩ እሞ፥ ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ገና እንተየእተኹዎም እኳ፥ እቲ ሎሚ ዝሓስቡዎ ዘለዉ እፈልጥ እየ።” ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ እዝ መዝሙር እዙይ ፀሓፈ፥ ንደቂ እስራኤል ከዓ መሃሮም። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ “ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም እተእትዎም እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣዘዞ። ሙሴ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ምስ ወድአ፥ ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነዝ መፅሓፍ እዙይ ወሲድኩም ኣብ ጥቓ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንምስክር ይኹንኩም። ኣነ ኽድዓትኩምን ትሪ ኽሳድኩምን እፈልጥ እየ እሞ፥ እንሆ፥ ሎሚ ገና ብህይወተይ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ከዳዕኹምዎስ፥ ድሕሪ ሞተይ እውን ዝገደደ ኽትገብሩ ኢኹም። ሕዚ ኸዓ ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፤ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኽዛረቦም እየ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ ምስክረይ ክኾኑ እዮም። ድሕሪ ሞተይ ብርግፅ ንባዕልኹም ከም እተርክሱ፥ ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መንገዲ ድማ ኸም እተግልሱ፥ እፈልጥ ኣለኹ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ንኽተቘጥዕዎ ኣብ ቅድሚኡ ኽፉእ ስለ እትገብሩውን፥ ብዳሕረዋይ ዘመን ጕድኣት ክረኽበኩም እዩ።” ሙሴ ድማ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ቃል እዝ መፅሓፍ እዙይ ክሳዕ ዝውዳእ ነገሮም። ምድሪ ኸዓ ቓል ኣፈይ ትስማዕ። ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ይውረድ። ንኣምላኽና ልዕልና ሃቡ።” ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ። ንሳቶምስ ከዳዓትን ቀይናናትን ትውልዲ እዮም። ዝፈጠረካን ዘቖመካን ንሱዶ ኣይኮነን?” ዓበይትኻውን ክነግሩኻ እዮም። ከም ቍፅሪ መላእኽቲ ወሰናት ህዝብታት መደበ። ያእቆብ ድማ ኽፍሊ ርስቱ እዩ።” ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ። ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፤ ብኣኽናፉ ኸዓ ፆሮም። ምስኡ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይነበረን።” ካብ ተሪር ኰዅሒ ኸዓ ዘይቲ። ካብ ደም ኣስካል ከዓ ወይኒ ኣስተዮ።” ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ። ብርኵሰቶምውን ኣቘጥዕዎ። ደሓር ንዝመፁ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ። ንዝፈጠሮም ኣምላኽውን ረስዕዎ።” እግዚኣብሄር ከዓ ሪኡ ደርበዮም። መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።’ ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዖም እየ። መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።” ብፍላፃይውን ክወግኦም እየ። ኣስናን ኣራዊት፥ ምስ ሕንዚ ተመን ክሰደሎም እየ። ንዝጠቡ ምስ ሽማግለ ኽውድኦም እየ። መዘከርታኦም ካብ ማእኸል ሰብ ከጥፍእ እየ በልኩ። ቍጥዓ ፀላእቱ ፈራሕኹ።” ምስትውዓል ከዓ የብሎምን። መወዳእታኦምውን ምሓሰቡ ነይሮም። እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም? ፀላእትናውን ሰናፋት እዮም። ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ፤ እቲ ዝበርትዐ ሕንዚ መንደላይ ተመን እዩ።” ኣብ መዝገበይ ከዓ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን? ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ። ንባሮቱ ኸዓ ኽርህርሀሎም እዩ። እቲ እትእመንዎ መዕቘቢ ኣበይ ኣሎ? መፀግዒውን ይኹኑኹም። ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን። ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ። ንዝፀልኡኒውን ሕነ ኽፈድዮም እየ። ስጋ ኽቘራርፅ እዩ። ኣቱም ህዝብታት፥ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።” ሙሴ ድማ፥ ምስ ኢያሱ ወዲ ነዌ መፂኡ ዅሉ ቓል እዝ መዝሙር እዙይ ንህዝቢ ተዛረበ። ሙሴ ንዅሉ እዝ ነገር እዙይ፥ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ “ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ደቅኹም ተጠንቂቖም ንኽሕልውዎ ምእንቲ ኽትእዝዝዎም፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። እዝ ቓል እዙይ ህይወትኩም እዩ እምበር፥ ከንቱ ቓል ኣይኮነን፤ ኣብታ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ድማ በዝ ቓል እዙይ ዕድሜኹም ክተንውሑ ኢኹም፤” በሎም። እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብዝ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ እምባ ዓባሪም፥ ናብ እምባ ናባው፥ ደይብ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ረአያ። ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ እምባ ሆር ዝሞተ፥ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ እምባ ሙት። እዝ ኣብ ማይ ጐይቊ፥ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ስለ ዘይተኣዘዝኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከዓ ስለ ዘይቀደስኩምኒ፥ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ኽትሪኣ ኢኻ እምበር ናብኣስ ኣይትኣቱን ኢኻ፤” በሎ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሙሴ፥ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ባረኾም፦ ካብ የማናዩ ሓዊ ወፀሎም። ትእዛዛትካ ድማ ይቕበሉ። ርስቲ ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሕጊ ንሕሉ። ንሱ ኣብ እስራኤል ንጉስ ነበረ።” ሰቡውን ውሑዳት ኣይኹኑ” እናበለ መረቖም። ካብ ተፃረርቱ ረዳኢ ኹኖ” እናበለ መረቖም። ነቶም ኣብ ማይ መሪባ ዝተኸራኸርካዮም እዮም። ቃልካ ሓሊዮም እዮም፤ ኪዳንካውን ኣፅኒዖም ሓዙ። ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣብ መሰውኢኻ ኸቕርቡ እዮም። ሕቘ እቶም ዝፀልእዎም መፃርርቶም ስበር።” ኣብ መንጎ ማእገሩ ድማ ይሓድር።” በቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቓላይን፥ በቲ በዋርሕ ዝበቍል ክቡር ነገር፥ በቲ ናይ ዘለኣለም ኰረብታታት ዝኸበረ ነገር፥ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ ዝተፈልየ ዮሴፍ ይውረድ። እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።” ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ ደስ ይበልካ። ኣብኡ መስዋእቲ ፅድቂ ኸቕርቡ እዮም።” ቅልፅምን ርእስን ይሰብር። ፅድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈፀመ።” ሽደን ኣንበሳ እዩ።” ንሱ ደቡብ ባሕሪ ዘሎ ምድሪ ኽወርስ እዩ።” ኣእጋሩ ኸዓ ኣብ ዘይቲ የጥልቕ። ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን።” ዝመስሎ የለን። ንፀላኢኻ ኻብ ቅድሜኻ ኣውፂኡ፥ ኣጥፍኣዮ ይብለካ። ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ። ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግፅ ኢኻ። ሙሴ ድማ ኻብ ጐልጐል ሞኣብ ናብ እምባ ናባው፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ዘሎ ፈስጋ ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅላ ሃገር ገለዓድ፥ ክሳዕ ከተማ ዳን ኣርኣዮ። ከምኡ እውን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፥ ብምልእታ ምድሪ ይሁዳን ክሳዕ ምዕራብ ባሕሪ፥ ደቡብ ይሁዳን ጐልጐል ለሰ ኢያሪኮን፥ ከተማ ተምርን ክሳዕ ፆኣር ኣርኣዮ። እግዚኣብሄር ድማ፦ “እታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ‘ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ እዚኣ እያ፤ ብዓይንኻ ኣርአኹኻ፤ ናብኣ ግና ኣይትሳገርን ኢኻ” በሎ። ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ። እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፥ ኣብ መንፅር ቤት ፌጎር ዘሎ ለሰ ቐበሮ። ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸዓ ንመቓብሩ ዝፈለጦ ሰብ የለን። ሙሴ ኽመውት እንተሎ፥ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፤ ምስ እዝ ዅሉ ግና ኣዒንቱ ኣይፈዘዛን፤ ሓይሉ እውን ኣይደኸመን ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። ብድሕሪኡ ሓዘኖም ወድኡ። ንኢያሱ ወዲ ነዌ ድማ፥ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፥ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ ንሙሴ ዝተኣዘዝዎ ገይሮም ተኣዘዝዎ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛት ከዓ ሓለውዎ። ድሕሪኡ፥ ኣብ እስራኤል፥ ከም ሙሴ ዝበለ፥ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ዘዛረቦ ነቢይ ኣይተስአን። ኣብ ግብፂ ኣብ ፈርዖንን፥ ኣብ ሹመኛታቱን ኣብ ዅላ ምድሩን ምልክትን ተኣምራትን ዝገበረ ኻልእ ነቢይ ኣይተስአን። ከምቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ዝገበሮ፥ ዓብዪ ሓይልን ዘፍርሕ ነገርን ዝገበረ የለን። ከምዙይ ድማ ኾነ፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ምስ ሞተ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ሙሴ፥ “ኣገልጋሊየይ ሙሴ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ሕዚ ተስእ፤ ንስኻን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ። ከምቲ ንሙሴ ዝነገርክዎ፥ ኵላ እግርኹም ዝረገፀታ ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም ኣለኹ። ወሰንኩም ካብ ምድረ በዳን ካብ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ብምልእታ ምድሪ ኬጢያውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ዓብዪ ባሕሪ ኣብ ምሉእ ዕድሜኻ ዝቃወመካ ሰብ ኣይህሉን እዩ። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፥ ምሳኻውን ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን እየ፤ ኣይድርብየካንውን እየ። “እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ክተውርሶ ኢኻ እሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ። ከምቲ ኣገልጋሊየይ ሙሴ ዝኣዘዘካ፥ ንዅሉ ሕጊ ተጠንቂቕካ ሓልዎ። ፅናዕ፤ ኣይዞኻ ትባዕ። ብዅሉ እትኸዶ ምእንቲ ኽቐንዐካ ኻብቲ ሕጊ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል። ነቲ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፥ ነዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ። ሽዑ መንገድኻ ኽቐንዐካን ክሰልጠካን እዩ። ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?” ሽዑ ኢያሱ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ “ብማእኸል ሰፈር ሓሊፍኩም ነቶም ህዝቢ፦ ‘በዘን ሰለስተ መዓልቲ እዚኣተን ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትወርስዋ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ ኢኹምሞ ስንቅኹም ኣዳልዉ’ በልዎም” ኢሉ ኣዘዞም። ኢያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን፦ “እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ዝኣዘዘኩም ቃል ዘክሩ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዕርፈኩም እዩ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ሂቡኩም ኣሎ።’ ኣንስትኹምን ህፃናትኩምን ከፍትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይፅንሑ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዘዕረፈኩም፥ ነሕዋትኩም ድማ ኽሳዕ ዘዕርፎም፥ ንሳቶምውን እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፥ ሓያላት ጀጋኑ ዝኾንኩም ኵልኻትኩም ኣፅዋር ሒዝኩም፥ ነሕዋትኩም ክትሕግዙ ቐቅድሚኣቶም ሕለፉ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ብምውፃእ ፀሓይ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ክትምለሱ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ ንኢያሱ፦ “ኵሉ ዝኣዘዝካና ንገብር፤ ናብ ኵሉ ዝለኣኽካናውን ንኸይድ። ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ ዝተኣዘዝናዮ፥ ንኣኻውን ክንእዘዘካ ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ኸምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፥ ምሳኻውን ይኹን። ንስኻ ደኣ ፅናዕ፥ ትባዕ እምበር፥ ኵሉ ቓልካ ዘይሰምዕን ትእዛዝካ ዘይፍፅምን ሰብ ይቀተል” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ። ንጉስ ኢያሪኮ ኸዓ “እንሆ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ክስልይዋ፥ ሰባት ብለይቲ ናብዙይ ኣትዮም ኣለዉ” እንትበሃል ወረ ሰምዐ። ንጉስ ኢያሪኮ ድማ “እዞም ናባኺ ዝመፁ ናብ ገዛኺውን ዝኣተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ክስልሉ ዝመፁ እዮም እሞ፥ ኣውፅኢዮም” ኢሉ ናብ ረኣብ ለኣኸ። እታ ሰበይቲ ግና ነቶም ክልተ ሰባት ወሲዳ ሓብአቶም፤ ከምዙይ ኢላ ድማ መለሰት፦ “እወ፥ ሰባት ናብ ገዛይ ኣትዮም ነይሮም፤ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን። እቲ ኣፍ ደገ እንትዕፆን እንትፅልምትን ወፂኦም ከዱ፤ ናበይ ከም ዝኸዱ ግና ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ተኸተልዎም፤ ክተርክብዎምውን ኢኹም” በለቶም። ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ገዛኣ ኣደዪባ፥ ኣብቲ ኣብኡ ተዀሚሩ ዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሓቢኣቶም ነበረት። እቶም ልኡኻት ንጉስ ምስ ወፁ ኸዓ እቲ ደገ ኸተማ ተሸጐረ፤ ነቶም ሰለልቲ ኽደልዩ ድማ ኽሳዕ እቲ መሳገሪ ዮርዳኖስ ከዱ። እቶም ሰለልቲ ገና እንተይደቀሱ፥ እታ ሰበይቲ ናብኣቶም ናብ ናሕሲ ደየበት። “እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፈሊጠ ኣለኹ። ካባኻትኩም ዝተልዓለ ድማ ኣብ ልዕሌና ፍርሒ ሓዲሩና ኣሎ። ኵሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኸዓ ኣብ ቅድሜኹም ብፍርሓት ልቦም መኺኹ ኣሎ። እቲ ኻብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም፥ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀፆ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከዓ ዝገበርኩምዎ፥ ንሴዎንን ንዓግን ከም ዘጥፋእኹምዎም ሰሚዕና ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ኣብ ታሕቲ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ በቲ ዝሰማዕናዮ ልብና መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካባኻትኩም ዝተልዓለ ንሓደ እኳ ነፍሲ ኣይተረፎን። ሕዚ ኸዓ በይዛኻትኩም፥ ኣነ ፅቡቕ ገይረልኩም እየ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፥ ነቦይን ንኖይን ነሕዋተይን ነሓተይን ንዅሎም ሰቦምን ብህይወት ክትሓድግዎም፥ ካብ ሞት እውን ክተድሕኑና ብእግዚኣብሄር መሓሉለይ፤ ዘተኣማምን ምልክት ከዓ ሃቡኒ” በለቶም። እቶም ሰባት ከዓ “እቲ እንገብሮ ዘለና እንተ ዘይገሊፅኪ፥ ነፍስና ኽንዲ ነፍስኹም ንሞት ነሕልፍ። እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሃበና፥ ብሓቂ ምሕረት ክንገብረልኪ ኢና” በልዋ። ገዛኣ ኣብ ጥቓ ቕፅሪ መንደቕ እታ ኸተማ ነበረ እሞ፥ ገመድ ገይራ ብመስኮት ኣውረደቶም። “እቶም ዝደልዩኹም ዘለዉ ኸይረኽቡኹምስ ናብ ጎቦታት ኣቢልኩም ኪዱ፤ ንሳቶም ክሳዕ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ። ድሕሪኡ መንገድኹም ቀፅሉ” በለቶም። እቶም ሰባት ከዓ “ንሕና ነዝ ዘምሓልክና ማሕላ ኽንሕልዎ ኢና። ንስኺ ድማ ኸምዙይ ግበሪ፦ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ እንተለና፥ ነዝ ቐይሕ ገመድ እዙይ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኮት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ንኖኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺ እውን ናብዙይ ናብ ገዛኺ ኣክቢዮም። ኵሉ ካብ ማዕፆ ገዛኺ ንደገ ዝወፀ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ንሕና ግና ንፁሃን ኢና። ንዝኾነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ገዛኺ ዘለዉ እንተ ነኺእና ግና፥ ደሞም ኣብ ርእስና ይኹን። ተግባርና እንተ ገሊፅኪ ግና፥ ካብዝ ዘምሓልክና ማሕላ ንፁሃን ኢና” በልዋ። ንሳ ኸዓ “ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን” ኢላ ኣፋነወቶም፤ ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኮት ኣንጠልጠለቶ። ንሳቶም ከዓ ወፂኦም ናብቲ ጎቦታት ከዱ፤ እቶም ዝደልይዎም ዝነበሩ ልኡኻት ንጉስ ቀቢፆም ክሳዕ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ፤ እቶም ዝደለይዎም ሰባትውን ደልዮም ኣይረኸብዎምን። እቶም ክልተ ሰለልቲ ድማ፥ ካብቲ ጎቦታት ወረዱሞ፥ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌ መፁ፤ እቲ ዅሉ ዘጋጠሞምውን ነገርዎ። ንኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ንዅላ እታ ሃገር ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኸዓ ብምምፃእና ፈሪሖም ይርዕዱ ኣለዉ” በልዎ። ኢያሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣንጊሆም ሽጢም ካብ ዝበሃል ቦታ ተልዒሎም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መፁ፤ እንተይተሳገሩ ድማ ኣብኡ ሓደሩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም ኣሕሉቕ ብማእኸል ሰፈር ሓለፉ፤ ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፆይሮምዎ ምስ ረአኹም፥ ንስኻትኩም ድማ ኻብ ሰፈርኩም ተልዒልኩም ሰዓብዎ። እዛ መንገዲ እዚኣ ቕድሚ ሕዚ ኣይሓለፍኩምዋን እሞ፥ እታ እትኸድዋ መንገዲ ንኽትፈልጡ፥ ካብቲ ታቦት ሓደ ኪሎ ሜትር ኣቢልኩም ረሓቑ እምበር ኣይትቕረብዎ።” ኢያሱ ነቶም ህዝቢ፥ “እግዚኣብሄር ፅባሕ ኣብ ማእኸልኩም ዘገርም ነገር ክገብር እዩ እሞ፥ ተቐደሱ” በሎም። ሽዑ ነቶም ካህናት፥ “ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ኺዱ” በሎም። ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪሞም ከዓ ቐቅድሚ ህዝቢ ሓለፉ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ዅሉ እስራኤል ልዕል ልዕል ከብለካ ኽጅምር እየ። ነቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ከዓ ‘ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ በፃሕኹም ኣብ ውሽጢ ዮርዳኖስ ቁሙ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ። ኢያሱ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ናብዙይ ቅረቡ እሞ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑ። ኢያሱውን በለ፦ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ንሱ ኸዓ ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንኤዋውያንን ንፈሪዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈፂሙ ኸም ዝሰጎም፥ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን ናይቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ቐቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ክሓልፍ እዩ። ሕዚ ድማ ኻብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓደ ሓደ ሰብ፥ ምረፁ። ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ዅላ ምድሪ፥ ዝፆሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ እናወሓዘ ዝወርድ ማይ ዮርዳኖስ ከቋርፅ፥ ከም ኲምሪ ኾይኑ ድማ ኽቝለል እዩ።” ከምዙይ ድማ ኾነ፦ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ክሳገሩ ከካብ ድንኳናቶም ምስ ወፁ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ቀቅድሚ እቶም ህዝቢ ይኸዱ ነበሩ። እቲ ወርሓት፥ እዋን ዓፂድ ብምዃኑ፥ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ። ግና እቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣእጋሮም ድማ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ቆመ። ኣብ ርሑቕ፥ ኣብታ ኣብ ጥቓ ፃርታ ዘላ፥ ኣዳም እትበሃል ከተማ ኸም ኲምራ ኾይኑ ተቘለለ። እቲ ናብ ባሕሪ ዓረባ ናብ ባሕሪ ጨው ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ንፈለግ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገሮ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ ቐጥ ኢሎም ቆይሞም ነበሩ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ንፈለግ ዮርዳኖስ ፈፂሙ ምስ ተሳገረ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ፦ “ካብ ማእኸል ህዝቢ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ምረፁ፤ ‘ካብዙይ ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቖማላ ቦታ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዕሉ፤ ተሰኪምኩምውን፥ ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ። ሽዑ ኢያሱ ኻብ ደቂ እስራኤል፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ነቶም ሓርይዎም ዝነበረ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ፀውዖም። ኢያሱውን በሎም፦ “ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእኸል ዮርዳኖስ ሕለፉ፤ ብቝፅሪ ነገድ እስራኤል ከዓ፥ ሓድሓደ እምኒ ኣብ ማእገሩ ይሸከም። እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ንምልክት ክኸውን እዩ፤ ደቅኹም ብዝመፅእ ጊዜ ‘ናይዝ ኣእማን እዙይ ነገር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንትጥይቑኹም፥ ሽዑ ንስኻትኩም ‘ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ብዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ምውራድ ኣቋረፀ እሞ፥ እዞም ኣእማን እዚኣቶም ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም መዘከርታ እዮም’ ትብልዎም” ድማ በሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ኢያሱ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝበሎ ድማ ብቝፅሪ ነገዳት እስራኤል ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዒሎም ናብቲ ዝሓድሩሉ ቦታ ወሰዱ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣንበርዎም። ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ዝቖሙላ ቦታ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቖመ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ። እቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ንህዝቢ ኽነግር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር፥ ከምቲ ሙሴ ንኢያሱ ዝኣዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እቶም ታቦት ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ ቆሙ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ቐልጢፎም ተሳገሩ። ኵሉ እቲ ህዝቢ መሊኡ ምስ ተሳገረ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄርን ካህናትን፥ እቲ ህዝቢ እናረአዮም ተሳገሩ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴንውን፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ኣፅዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ። ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ዝኾኑ ኣፅዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ኽዋግኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሳገሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ልዕል ኣበሎ። ከምቲ ንሙሴ ዝፈርሕዎውን ዕድመ ልክዑ ፈርሕዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነቶም ታቦት ምስክር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ክወፁ ኣዝዞም” በሎ። ኢያሱ ድማ ነቶም ካህናት ካብ ዮርዳኖስ ውፁ ኢሉ ኣዘዞም። እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ወፂኦም፥ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ምስ ረገፃ፥ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ ኸም ቀደሙ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ወሓዘ። እቶም ህዝቢ ድማ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ወፁ፤ ብወሰን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጌልገላ ኸዓ ሰፈሩ። ኢያሱ ድማ ነቶም ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎም ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብ ጌልገላ ኣቖሞም። ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደቅኹም ብዝመፅእ ዘመን፥ ‘እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንታይ እዮም?’ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፥ ‘ህዝቢ እስራኤል ነዝ ዮርዳኖስ እዙይ ብንቑፅ ከም ዝተሳገርዎ ምልክት እዩ።’ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ እንሳገር ዘንቀፆ ኸምኡ ኸዓ ንዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ። እዙይውን ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዘለኣለም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ እዩ ኢልኩም ንገርዎም።” ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን፥ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነዓናውያንን፥ ደቂ እስራኤል ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገርዎ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ማይ ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀፆ ምስ ሰምዑ፥ ብፍርሓት ልቦም መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ነፍሲ ኣይተረፈሎምን። በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ “በሊሕ ፅንፅልሒት ጌርካ፥ ንደቂ እስራኤል ንኻልኣይ ጊዜ ግረዞም” በሎ። ኢያሱ ድማ በሊሕ ፅንፅልሒት ኣንፂሉ፥ ንደቂ እስራኤል ኰረብታ ግርዘት ምኽንያቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ፥ ኵሎም ተባዕትዮ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ሞቱ። እቶም ዝወፁ ህዝቢ ኵሎም ግሩዛት እዮም ነይሮም፤ እቶም ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዝተወለዱ ዅሎም ህዝቢ ግና ኣይተገረዙን ነበሩ። ደቂ እስራኤል፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ተዋጋእቲ ሰብኡት ብሞት ክሳዕ ዝሃልቁ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጕዓዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ከየርእዮም መሓለ። ነቶም ክንዳኣቶም ዘተስኦም ደቆም ከዓ፥ ኣብ መንገዲ ስለ ዘይተገረዙ፥ ዘይግሩዛት ኮይኖም ነበሩ እሞ፥ ኢያሱ ገረዞም። ኵሎም ህዝቢ ምስ ተገረዙ ኸዓ ኽሳዕ ዝሓውዩ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ሎሚ ነቲ ናይ ግብፂ ነውሪ ኻባኻትኩም ኣወገድክዎ” በሎ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ጌልገላ ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ገበሩ። ፅባሕ እታ ፋሲካ ድማ፥ ካብ ፍረ እኽሊ እታ ምድሪ፥ ቅጫን ቆሎን በልዑ። እኽሊ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፥ ንፅባሒቱ እቲ መና ኣቋረፀ፤ ደቂ እስራኤል በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ከነዓን በልዑ እምበር፥ ድሕሪኡስ እቲ መና ኣይወረደሎምን። ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ እንተሎ ዓይኑ ኣልዒሉ ጠመተ፤ ዝተመዘዘ ሰይፊ ብኢዱ ዝሓዘ ሰብኣይ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ነበረ። ኢያሱ ኸዓ ናብኡ ኸይዱ፥ “ንስኻ ኻባና ዲኻ ወይ ካብ ፀላእትና?” በሎ። ንሱ ድማ “ኣይፋለይን፥ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይነ ሕዚ መፂአ ኣለኹ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ብገፁ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሞ፥ “ጐይታይ! ንኣይ ንባርያኻ እትብሎ እንታይ ኣሎ?” በሎ። እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ኸምኡ ገበረ። ኢያሪኮ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ፈፂማ ተዓፅያ ነበረት። ካብኣ ዝወፅእ ኾነ ናብኣ ዝኣቱ ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ረአ! ንኢያሪኮን ንንጉሳን ነቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ። ኵሎም ተዋጋእትኹም፥ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ይዙርዋ፤ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ኸምኡ ግበሩ። ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ቕድሚ ታቦት ኮይኖም ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዙርዋ፤ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ። ቀርኒ መለኸት ብዘይ ምቍራፅ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፥ እቲ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም፥ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ድምፂ የስምዕ። ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ ኽወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በበቲ ዘለዎ ኽኣቱ እዩ” በሎ። ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ፀዊዑ፦ “ታቦት ቃል ኪዳን ፁሩ፤ ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ” በሎም። ነቶም ህዝቢ ድማ “ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፤ ኵሉ ኸዓ ብሰልፊ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ” በሎም። ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ሸውዓተ ኻህናት ድማ ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሓለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከዓ ደድሕሪኣቶም ይኽተል ነበረ። እቶም ኣፅዋር ዝሓዙ ድማ ብሰልፊ ቐቅድሚ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ይኸዱ ነበሩ። እቶም ካህናትውን መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ድማ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ። ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ “ጫውጫው ኣይትበሉ፤ ድምፂ ኣስምዑ ኽሳዕ ዝብለኩም መዓልቲ ሓደ ቓል እኳ ኻብ ኣፍኩም ኣይውፃእ” በሎም። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ኣዞሮ፤ ንሳቶም ከዓ ናብቲ ሰፈር ተመሊሶም ኣብኡ ሓደሩ። ንፅባሒቱ ኢያሱ ኣንጊሁ ተስአ፤ እቶም ካህናት ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ፆርዎ። እቶም ሸውዓተ ኻህናትውን ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም፥ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፥ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ተሰለፍቲ ዝኾኑ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ከዱ፤ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ ድማ እቶም ዝተረፉ ተሰለፍቲ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕቡ ነበሩ። በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ዘይሮም፥ ናብ ሰፈር ተመለሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፥ ሸውዓተ ሻዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራሕ እዮም ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዝዞርዋ። በቲ ሻውዓይ ጊዜ፥ እቶም ካህናት ቀርኒ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ ዓው ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ። እዛ ኸተማን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕሩም ይኹን። እታ ኣመንዝራ ረኣብ ጥራሕ ነቶም ዝሰደድናዮም ሰለልቲ ስለ ዝሓብአቶም፥ ንሳን ኣብ ገዛኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይንበሩ። ካብቲ ዝተሓረመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ከይተርግምዎ፥ መከራውን ከይተምፅኡሉ ተጠንቀቑ። ኵሉ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ነሃስን ሓፂንን ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን፤ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ድማ ይእቶ።” መለኸት ምስ ተነፍሐ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ህዝቢ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዑ፥ ዓው ኢሎምውን ድምፂ ምስ ኣስምዑ፥ እቲ መንደቕ ፈረሰ። ነፍሲ ወከፍ በብዘለዎ ደዪቡ ናብታ ኸተማ ሰተት ኢሉ ኣተወ፤ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ። ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸዓ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፥ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፥ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእዎ። ኢያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለሉ ኽልተ ሰባት፥ “ናብ ገዛ እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፥ ከምቲ ዝመሓልኩምላ፥ ነታ ሰበይትን ነቶም ምስኣ ዘለዉ ሰባን ካብኡ ኣውፅእዎም” በሎም። እቶም ዝሰለሉ ኣጕባዝ ኣትዮም ንረኣብን ነቦኣን ንኖኣን ነሕዋታን ንዘለዋ ዅሉን ኣውፅኡ፤ ንዅሎም ዓሌታታውን ኣውፅኡ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር እስራኤላውያን ድማ ኣቐመጥዎም። ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣቃፀሉ። ብሩርን ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ሓፂንን ግና ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ኣእተዉ። እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ንኢያሪኮ ኽስልሉ ኢያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብአቶም፥ ኢያሱ ንኣኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደጎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብ ማእኸል እስራኤላውያን ትነብር ኣላ። በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ “ንኸተማ ኢያሪኮ ኽሰርሓ ኢሉ ዝለዓል ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ንኣኣ እንትስርት በዅሪ ወዱ፥ ደገታታ እንተቕውም ከዓ እቲ ንእሽተይ ወዱ ይጥፋእ” ኢሉ መሓለ። እግዚኣብሄር ምስ ኢያሱ ነበረ እሞ፥ ዝናኡ ናብ ኵላ እታ ሃገር በፅሐ። ደቂ እስራኤል ግና በቲ ዝተሓረመ ነገር በደሉ። ኣካን፥ ወዲ ከርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰደ እሞ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ። ኢያሱ ድማ ኻብ ኢያሪኮ ብምብራቕ ቤቴል ኣብ ጥቓ ቤት ኣዌን ናብ ዘላ ጋይ እትበሃል ከተማ ሰባት ሰደደ፤ “ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ” ድማ በሎም። እቶም ሰባት ከዓ ደዪቦም ንጋይ ሰለይዋ። ናብ ኢያሱ ተመሊሶም ድማ “ኵሉ ህዝቢ ናብ ጋይ ክድይብ ኣየድልን እዩ፤ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ስደድ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ውሑዳት እዮም እሞ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኣይተድክሞ” በልዎ። ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ናብ ጋይ ደየቡ። ካብ ቅድሚ ሰብ ጋይ ከዓ ሃደሙ። ናይ ጋይ ሰባት ካብኣቶም ኣስታት ሰላሳን ሽዱሽተን ሰባት ቀተሉ፤ ካብ ደገ እታ ኸተማ ኽሳዕ ሸባሪምውን ኣሳጐጕዎም። ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ልቢ እቶም ህዝቢ መኸኸ፤ ከም ማይውን ኮነ። ኢያሱውን ክዳኑ ቐደደ፤ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ፥ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስኒሶም፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ፤ ክሳዕ ምሸትውን ፀንሑ። ኢያሱ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ስለ ምንታይ ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣሳገርካና? ስለ ምንታይከ ምእንቲ ኸጥፍኡና ናብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፍካ ሃብካና? ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐሚጥና እንተ ንኸውንዶ ኣይምሐሸን? ኦ ጐይታ! ህዝቢ እስራኤል ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም መሊሶም ካብ ሃደሙስ እንታይ ክብል እየ? ከነዓናውያንን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎምን ነዙይ ሰሚዖም ክኸቡና እዮም፤ ስምና ድማ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኡ እዮም። ነቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እትገብሮ እንታይ እዩ?” በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ተስእ! ስለ ምንታይ ከምዙይ ብግምባርካ እትድፋእ? ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ገይሮም ኣለዉ። ነቲ ኣይትግበርዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎም ብምጥሓስ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ። ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰዱ፤ ሰረቑ፤ ሓሰዉ፤ ምስ ኣቑሑቶምውን ኣንበርዎ። ስለዙይ ደቂ እስራኤል በዲሎም እዮም እሞ፥ ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም ይመልሱ እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ክቖሙ ኣይኽእሉን እዮም። ነቲ ዝተሓረመ ካብ ማእኸልኩም እንተ ዘየጥፊእኹምዎ፥ ኣነ ድሕሪ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እየ። “ተስእ እሞ ነቶም ህዝቢ ቐድሶም፤ ከምዙይውን በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ዝተሓረመ ኣብ ማእኸልኩም ኣሎ፤ ነቲ ዝተሓረመ ኻብ ማእኸልኩም ክሳዕ እተርሕቕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን ኢኹም። “ክሳዕ ፅባሕ ተቐደሱ፤ ፅባሕ በብነገድኩም ቅረቡ። እቲ እግዚኣብሄር ብዕፃ ዝፈለዮ ነገድ ድማ በብዓሌቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝፈለዮ ዓሌት ድማ፥ በብማይ ቤቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝፈለዮ ማይ ቤት ከዓ በብውልቀ ሰብ ይቕረብ። እቲ ዝተሓረመ ዝተረኽቦ ሰብ ድማ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ ንሱን ዘለዎ ዅሉን ብሓዊ ይቃፀሉ” በሎም። ኢያሱ ኸዓ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንህዝቢ እስራኤል ድማ በብነገዶም ኣቕረቦም፤ ነገድ ይሁዳውን ተፈለየ። ንዓሌታት ይሁዳ ኸዓ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዛራ ተፈለየ። ንዓሌት ዛራ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዘንበሪ ተፈለየ። ንማይ ቤት ዘንበሪ ኣቕረቦም፤ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ኣካን፥ ወዲ ካርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ ተፈለየ። ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ በይዛኻ፥ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ ተናዘዝ፥ እንታይ ከም ዝገበርካ እንተይሓባእኻ ንገረኒ” በሎ። ኣካን ድማ ንኢያሱ መሊሱ “ሓቂ እዩ፥ ኣነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለ እየ፤ ከምዙይን ኸምዙይንውን ገበርኩ። ካብቲ ዝተዘምተ ሓደ ፅቡቕ ካባ ሰናዖርን ክልተ ኺሎ ግራም ብሩርን ፍርቂ ኺሎ ግራም ዝምዘን ወርቅን ምስ ረአኹ፥ በሃግክዎ እሞ ወሰድክዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ድንኳነይ ኣብ ዘሎ ምድሪ ቤት፥ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ ተሓቢኡ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ኢያሱ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብቲ ድንኳን ጐየዩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብቲ ድንኳኑ ተሓቢኡ፥ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ። ካብ ማእኸል እቲ ድንኳን ወሲዶም፥ ናብ ኢያሱን ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣምፂኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ። ሽዑ ኢያሱን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ንኣካን ወዲ ዛራን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን፥ ነወዳቱን ነጓላቱን ከፍቱን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ናብ ለሰ ዓኾር ወሰድዎም። ኢያሱ ድማ ንኣካን “ስለ ምንታይ መከራ ኣምፃእኻልና? እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽፉእ ክገብረካ እዩ” በሎ። ኵሎም እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ምስ ቀተልዎም ከዓ ብሓዊ ኣቃፀልዎም። ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨቝሊ እምኒ ጨቈሉ። ስለዙይ ከዓ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ ዓኾር ትብሃል ኣላ። እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ረስኒ ቝጥዓኡ ተመለሰ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ኣይትፍራሕ፥ ኣይትደንግፅ። ተዋጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ውሰድ፤ ደይብ እሞ ንጋይ ውግኣያ። ረአ፤ ኣነ ንንጉስ ጋይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንሃገሩን ኣሕሊፈ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ። ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮም፥ ንጋይን ንንጉሳን ድማ ኸምኡ ኽትገብሮም ኢኻ። ምርኮኣን ጥሪታን ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ግበር” በሎ። ኢያሱ ድማ ምስ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኮይኑ ንጋይ ክወግኣ ተስአ። ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሓርዩ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ ብለይቲ ሰደዶም። “ርአዩ፤ ነታ ኸተማ ብድሕሪኣ ሕቡእ ደጀን ግበሩላ፤ ካብታ ኸተማ እምብዛ ኣይትርሓቑ። ኵልኻትኹም ከዓ ተዳሊኹም ፅንሑ። ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፥ ናብታ ኸተማ ኽንፅጋዕ ኢና። ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክዋግኡና ምስ ወፁ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና። ሽዑ ‘ከምቲ ናይ ቀዳማይ ካብ ቅድሜና ይሃድሙ ኣለዉ’ ኽብሉ እዮም፤ ወፂኦም ምእንቲ ኽስዕቡና ኻብታ ኸተማ ኽሳዕ እነርሕቖም፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና። ንስኻትኩም ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነታ ኸተማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ እሞ፥ ካብቲ ዝተሓባእኹምሉ ወፂእኹም ነታ ኸተማ ሓዝዋ። ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩምዋ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ብሓዊ ኣባርዕዋ፤ እንሆ ኣዚዘኩም ኣለኹ” ኢሉ ሰደዶም። ንሳቶም ከዓ ናብታ ዝሕብኡላ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ከይዶም፥ ኣብ ወገን ምዕራብ ጋይ ተሓብኡ። ኢያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ሓደረ። ኢያሱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነቲ ህዝቢ ኣሰሊፉ ኸዓ፥ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ጋይ ደየበ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ህዝቢ እውን ደየበ፤ ቀሪቦም ከዓ ናብ መንፅር እታ ኸተማ መፂኦም፥ ብሰሜን ጋይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ጋይን ከዓ ለሰ ነበረ። ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ወሲዱ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ሕቡእ ደጀን ገይሩ ኣንበሮም። ንዅሉ እቲ ህዝቢ፥ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ሕቡኣቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፤ ኢያሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእኸል እቲ ለሰ ኸደ። ናይ ጋይ ንጉስ እዙይ ምስ ረአየ፥ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ቀልጢፎም ኣንጊሆም ተስኡ እሞ፥ በቲ ዝተወሰነ ጊዜ ንእስራኤል ክወግእዎም ናብ ቅድሚ እቲ ዓረባ ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ዝተስዓሩ መሲሎም ብመንገዲ ምድረ በዳ ሃደሙ። ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ከሳጕጉዎም ተፀውዑ፤ ንኢያሱ ድማ ኣሳጎጕዎ፤ ካብታ ኸተማ ኸዓ ኸም ዝርሕቑ ገበርዎም። ኣብ ጋይን ኣብ ቤቴልን ደድሕሪ እስራኤል ክስዕብ ዘይወፀ ሰብ ኣይነበረን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሓዲጎምዋ፥ ደድሕሪ እስራኤል ሰዓቡ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነታ ኸተማ ጋይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፥ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዂናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዂናት ናብታ ኸተማ ኣቢሉ ዘርግሖ። ንሱ እዙይ ምስ ገበረ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ፥ ቀልጢፎም ካብቲ ዝተሓብኡሉ ቦታ ወፂኦም ጐየዩ፤ ነታ ኸተማ ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ቀልጢፎምውን ብሓዊ ኣባርዕዋ። እቶም ናይ ጋይ ሰባት፥ ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ትኪ ኻብታ ኸተማ ንሰማይ ክወፅእ ረአዩ። ሽዑ ናብዙይ ኮነ ናብቱይ ክሃድሙ ኣይከኣሉን። እቶም ንምድረ በዳ ኣቢሎም ዝሃደሙ ህዝቢ እስራኤል ናብኣቶም ኣቢሎም ተመሊሶም ነበሩሞ። ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን፥ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፥ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝወፀ ምስ ረአዩ፥ ተመለሱ እሞ፥ ንህዝቢ ጋይ ቀተልዎም። እቶም ካልኦትውን ካብ ከተማ ናብኣቶም ወፁ። ሽዑ እዚኣቶም በዙይ፥ እቲኣቶም ከዓ በቱይ ስለ ዝኸበብዎም፥ ደቂ ጋይ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ኮኑ። ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ህዝቢ ጋይ ሓደኳ እንተየምለጦም ቀተልዎም። ንንጉስ ጋይ ከዓ ብህይወቱ እንተሎ ሒዞም ናብ ኢያሱ ኣምፅእዎ። እስራኤል ነቶም ኵሎም ደቂ ጋይ ኣብቲ ዘሳጕጉዎም ዝነበሩ ግራውትን ምድረ በዳን ቀቲሎም ምስ ወድኡ፥ ደቂ ጋይ ከዓ ዅሎም ብስሕለት ሰይፊ ምስ ወደቑ፥ ሽዑ ዅሎም ብዘለዉ ደቂ እስራኤል ናብ ጋይ ተመለሱ እሞ፥ ነቶም ህዝባ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዎም። እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ደቂ ጋይ፥ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነፍሲ ኾኑ። ኢያሱ ድማ ዅሎም ደቂ ጋይ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ነታ ዂናት ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን። እስራኤል ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ጥሪትን ምርኮ እታ ኸተማን ጥራሕ ማሪኾም ንባዕላቶም ወሰዱ። ኢያሱ ንኸተማ ጋይ ብሓዊ ኣባራዓ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ንዘለኣለም ኵምሪ ዑና ገበራ። ንንጉስ ጋይ ድማ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበት ከዓ፥ ኢያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ከውርድዎ ኣዘዘ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማውን ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨቝላ እምኒ ጨቈሉላ። ሽዑ ኢያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ እምባ ጌባል መሰውኢ ሰርሐ። ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ንደቂ እስራኤል ዝኣዘዞም፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴውን ተፅሒፉ ዘሎ፥ መሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረ፥ ሓፂን ዘይነኽኦ ኣእማን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ። ነቲ ሙሴ ዝፀሓፎ ሕጊ ኸዓ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣብቲ ኣእማን ፀሓፎ። ኵሎም ደቂ እስራኤልን ዓበይትን ኣሕሉቕን ፈረድትን ምስኣቶም ዝነብሩ ባዕዳንን ኣብ መንፅር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን ካህናት ብየማኖምን ብፀጋሞምን ደው በሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ፍርቁ ብወገን እምባ ገሪዛን፥ ፍርቁ ድማ ብወገን እምባ ጌባል ቆመ። እዙይ ከዓ ኸምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ህዝቢ እስራኤል ክባረኹ እንተለዉ ዝኣዘዞም ገበረ። ድሕሪዙይ ኢያሱ ንዅሉ ቓል ሕጊ፥ ነቲ በረከትን መርገምን፥ ከምቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ ኣንበቦ። ኢያሱ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ንኣንስቶምን ህፃናቶምን፥ ነቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነብሩ ባዕዳንን፥ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ሕጊ ብምሉኡ ኣንበበሎም እምበር፥ ሓደ ቓል እኳ ኣይሓደገን። እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ደጕዓን ቈላን፥ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕርን ብወገን ሊባኖስን ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት እዙይ ሰምዑ። ንሳቶም ከዓ ነገስታት ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ኢያሱን ምስ እስራኤልን ክዋግኡ ብሓደ ኾይኖም ተኣከቡ። ሰብ ጊብዓ ከዓ እቲ ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮን ኣብ ጋይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥ ተንኰል ገበሩ፤ ልኡኻት መሲሎም፥ ዝኣረጉ ለቛቱን፥ ቅዳድን ዝተለገበ ሓርቢ ወይንን ኣብ ኣእዱጎም ፀዓኑ። ዝተለገበ ኣሳእን ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፥ ብላይ ክዳውንቲውን ተኸዲኖም ከዱ። እቲ ዝሰነቕዎ እንጀራ ድማ ዝነቐፀን ዝሰበበን ነበረ። ኢያሱ ሰፊርዎ ናብ ዘሎ ናብ ጌልገላ ኸይዶም ከዓ፥ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን “ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና፥ ሕዚ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም። ሰብ እስራኤል ከዓ ንሔዋውያን “ምናልባሽ ኣብ ማእኸልና እትነብሩ ኸይትኾኑ፥ ከመይ ጌርና ምሳኻትኩም ቃል ኪዳን ክንኣቱ?” በልዎም። ንኢያሱ ኸዓ “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ። ኢያሱ ግና “እንታዎት ኢኹም? ካበይከ መፂእኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብፂ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና። እቲ ነቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን፥ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን፥ ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና። እቶም መራሕትናን ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ዅሎም ህዝብን ከዓ ኸምዙይ በሉና፦ ‘ስንቂ ንመንገድኹም ተማሊእኹም ክትቅበልዎም ኪዱ። ንሕና ሓሻኽርኩም ኢና፥ ሕዚ ኸዓ ቓል ኪዳን እተዉልና በልዎም’ በሉና። ረአዩ፥ እንጀራና በታ ናባኻትኩም ክንመፅእ ካብ ኣባይትና ዝወፃእናላ መዓልቲ ትኩስ ነይሩ፤ ሕዚ ግና እንሆ፥ ነቒፁን ሰቢቡን ኣሎ። ኣሕርብትና ብሓድሹ እንተሎ ዝመላእናዮ እንሆ ተቐዲዱ፥ ክዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ብራሕቒ መንገዲ በልዩ” በልዎ። ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ካብቲ ስንቆም ወሲዶም ረአዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ግና ኣይጠየቑን። ኢያሱ ድማ ምስቶም ሰብ ጊብዓ ሰላም ገበረ፤ ብህይወት ክሓድጎም ከዓ ቃል ኺዳን ኣተወሎም። ኣሕሉቕ እስራኤልውን መሓሉሎም። ምስኣቶም ቃል ኪዳን ምስ ኣተዉ፥ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ጐረባብቶም ምዃኖም፥ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ። እቶም ሹመኛታቶም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፥ ደቂ እስራኤል ኣይቀተልዎምን። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታት ኣጕረምረመ። እቶም ሹመኛታት ዅሎም ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ “ንሕና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒልናሎም ኢና፤ ስለዙይ ሕዚ ክንነኽኦም ኣይንኽእልን ኢና። ብዛዕባ እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ እዙይ ንግበረሎም፤ ብህይወትውን ንሕደጎም በልዎም። እቶም ኣሕሉቕ ብህይወት ይንበሩ በልዎም፤ ከም ዝተናገርዎምውን ንዅሉ ህዝቢ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮኑ።” ኢያሱ ድማ ንሰብ ጊብዓ ናብኡ ፀዊዑ “ኣብ ጥቓና እናሃለኹምስ ‘ንሕና ኻባኻትኩም እምብዛ ርሑቓት ኢና’ ብምባል ስለ ምንታይ ኣታለልኩምና? ሕዚ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፤ ካባኻትኩምውን ንቤት ኣምላኸይ ቈረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ዝኾነ ባርያ ንዘለኣለም ኣይጠፍእን” በሎም። ንሳቶም ድማ ንኢያሱ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሙሴ ባርያኡ ዅላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኽህበኩም፥ ኣብዛ ሃገር ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ኻብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም ከም ዝኣዘዞ፥ ሰሚዕና ኢና። ስለዙይ ኣብ ቅድሜኹም ንነፍስና የመና ስለ ዝፈራሕና ኢና እዝ ነገር እዙይ ዝገበርና። ሕዚ ድማ እንሆ፥ ኣብ ኢድካ ኢና፤ ንኣና ድማ ኽትገብሮ ፅቡቕን ቅኑዕን መሲሉ ዝተርኣየካ ግበረና” ኢሎም መለሱሉ። ኢያሱ ኻብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣናገፎም፤ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን። ኢያሱ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ነቲ ማሕበርን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ገበሮም። ንሳቶምውን ኣብታ እግዚኣብሄር ንቤቱ ዝሓረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮይኖም ኣለዉ። ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ኢያሱ ንጋይ ከም ዝሓዛን ፈፂሙ ኸም ዘጥፍኣን፥ ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ፥ ከምኡ ድማ ንጋይን ንንጉሳን ከም ዝገበረ ሰምዐ። እቶም ሰብ ጊብዓውን ምስ እስራኤል ሰላም ከም ዝገበሩን፥ ኣብ ማእኸሎምውን ከም ዝነብሩን ሰምዐ። ጊብዓ ከም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፥ ካብ ጋይ እኳ እትዓቢ ስለ ዝነበረት፥ ኵሎም ሰባውን ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሰብ ኢየሩሳሌም የመና ፈርሑ። ስለዙይ ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን፥ ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን፥ ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሶን፥ ናብ ዳቤር ንጉስ ኣዶላምን ልኢኹ፥ “ገባዖን ምስ ኢያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዓሪቓ እያ እሞ፥ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሓግዙኒ” በሎም። ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንጉስ ኬብሮን፥ ንጉስ ያርሙት፥ ንጉስ ላኪሶ፥ ንጉስ ኣዶላም፥ ምስ ኵሎም ሰራዊቶም ተኣኪቦም ወፁ፤ ንገባዖን ክወግእዋ ኸበብዋ። ሰብ ገባዖን ድማ ናብ ኢያሱ ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ልኢኾም “ንባሮትካ ንምርዳእ ኢድካ ኣይትመልስ፤ እቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ክዋግኡና ተኣኪቦም ኣለዉ እሞ ቐልጢፍካ ናባና ደይብ፤ ኣድሕነና፤ ርድአናውን” በልዎ። ሽዑ ኢያሱን፥ ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅኑዓትን ሓያላትን ካብ ጌልገላ ወፁ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ዝቃወመካ የለንሞ፥ ኣይትፍርሓዮም” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ምሉእ ለይቲ ኽግስግስ ሓዲሩ፥ ብድንገት መፆም። እግዚኣብሄርውን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣደንገፆም። ኣብ ገባዖንውን ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፤ ብመንገዲ ዓቐበት ቤትሖሮንውን ኣሳጐጎም፤ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከዓ ወቕዖም። ካብ እስራኤል ሃዲሞም፥ ኣብቲ መውረዲ ቤትሖሮን እንትወርዱ ኽሳዕ ዓዜቃ ዝበፅሑ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ደንጐላታት በረድ ኣውረደሎምሞ ሞቱ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሰይፊ ዝቐተልዎም፥ እቶም ብደናጉል በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ። ወርሒ ትቑም።” ሽዑ እቲ ህዝቢ ንፀላእቱ ኽሳዕ ዝስዕሮም፥ ፀሓይ ቆመት፤ ወርሒውን ደው በለት። እዙይ ኣብ መፅሓፍ ያሻር ተፅሒፉ ዘሎዶ ኣይኮነን? እታ ፀሓይ ኣብ ማእኸል ሰማይ ደንጐየት፤ ኣስታት ምሉእ ሓደ መዓልቲ ንምዕራብ ኣይቀልጠፈትን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፥ ቃል ሰብ ዝሰምዐላ ኸምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፥ ቅድሚኣ ኾነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን። ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሰ። እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሃዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ። ንኢያሱ ኸዓ “እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ኢያሱ ድማ “ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከራርዉ፤ ዝሕልውዎም ሰባት ከዓ ግበሩ። ንስኻትኩም ግና ኣይትደንጕዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ኣሳጕጉዎም። ነቶም ብድሕሪት ዘለዉ ድማ ቕተልዎም፤ ናብ ከተማታቶም ከይኣትዉ ኸልክልዎም” በሎም። ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ብዓብዪ ውቅዒት ወቕዕዎም፤ ምውቃዖም ምስ ፈፀሙውን እቶም ካብኣቶም ሃዲሞም ዘምለጡ ናብተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ናብቲ ኢያሱ ዘለዎ ናብ ሰፈር ናብ ማቄዳ ብሰላም ተመለሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤል ደፊሩ ዝተዛረቦ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ሽዑ ኢያሱ “ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ኣውፂእኹም ናባይ ኣምፅእዎም” በለ። ከምኡ ድማ ገበሩ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፥ ንንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንንጉስ ኬብሮን፥ ንንጉስ ያርሙት፥ ንንጉስ ላኪሶ፥ ንንጉስ ኣዶላም፥ ካብቲ በዓቲ ኣውፂኦም ናብኡ ኣምፅእዎም። ነቶም ነገስታት ናብ ኢያሱ ምስ ኣውፅእዎም፥ ኢያሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ፀውዖም፤ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ኣሕሉቕ እቶም ተዋጋእቲ ድማ “ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኣቶም ግበሩ” በሎም። ቀሪቦም ድማ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ። ኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ነቶም እትዋግእዎም ኵሎም ፀላእትኹም ከምዙይ ክገብሮም እዩ እሞ ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፥ ፅንዑን ትብዑን” በሎም። ድሕሪዙይ ወቒዖም ቀተልዎም፤ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣእዋም ድማ ሰቐልዎም፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ፀንሑ። ኣጋ ዓራርቦ ፀሓይ ብትእዛዝ ኢያሱ፥ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ናብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ኣፍ በዓቲ፥ ዓበይቲ ኣእማን ተገይሩ ኣሎ። ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፤ ንኣኣን ንንጉሳን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዐ፤ ንኣኣቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ፥ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ፥ ንንጉስ ማቄዳውን ከምኡ ገበሮ። ኢያሱ፥ ምስኡውን ኵሎም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሓለፉ፤ ንሊብና ኸዓ ወግእዋ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ። ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፉ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዑ። ከምቲ ኣብ ንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ ኣብ ንጉስ ልብናውን ገበረ። ኢያሱ ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ሊብና ናብ ላኪሶ ሓለፉ እሞ ኸበብዋ፤ ወግእዋውን። እግዚኣብሄር ንላኪሶ ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ፤ ብኻልአይቲ መዓልቲ እውን ሓዝዋ፤ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበርዎ፥ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሶ ኽረድኣ ወፀ፤ ኢያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም። ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ላኪሶ ናብ ኣዶላም ሓለፈ፤ ከበብዋ፤ ወግእዋውን። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓዝዋ፥ ብስሕለት ሰይፊ እውን ወቕዕዋ። ኢያሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምቲ ዅሉ ኣብ ላኪሶ ዝገበሮ፥ ኣብኣ ንዝነበሩ ሰባት ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ኢያሱ፥ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ኣዶላም ናብ ኬብሮን ደዪቦም ተዋግእዋ፤ ሓዝዋውን። ምስ ሓዝዋ ድማ፥ ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ኣዶላም ዝገበሮ፥ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ስለ ዝወቕዖም ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ተመሊሱ ንዳቤር ተዋግኣ። ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሓዘ፤ ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተሎም። ኣብ ዳቤር ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ሓደ እኳ እንተየትረፈ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፥ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ዝገበሮ፥ ኣብ ደቢርን ንጉሳንውን ከምኡ ገበረ። በዝ ኸምዙይ ኢያሱ ንዅላ እታ ምድርን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ቀተሎም። ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ እስትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈፂሙ ኣጥፍኦ። ከምኡ ድማ ኢያሱ ኻብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ጋዛ፥ ንዅላ ሃገር ጎሶምን ክሳዕ ገባዖን ወቕዖም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግአላ ስለ ዝነበረ፥ ኢያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓደ ጊዜ ሓዘ። ድሕሪዙይ ኢያሱን ህዝቢ እስራኤልን ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሱ። ኢያቢስ ንጉስ ሓፆር እስራኤላውያን ከም ዝሰዓሩ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፥ ናብቶም ብሰሜን ኣብ ደጕዓን ኣብ ጐልጐልን፥ ብደቡብ ኪኔሬት ድማ ኣብ ቈላን፥ ኣብ ምዕራብ በረኽቲ ዶርን ናብ ዝነበሩ ነገስታት ለኣኸ። ከምኡውን ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነዓናውያን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ናብ ዝነበሩ ኤዋውያንን ለኣኸ። ንሳቶም ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቶምን ምስ ብዙሕ ፈረስን ሰረገላን መፁ። ምብዛሖም ከዓ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ነበረ። እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ተኣኪቦም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ኣብ ማይ ማሮን መፂኦም ብሓደ ሰፈሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ፥ ኣነ ንዅሎም፥ ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ቋንጃ ኣፍራሶም ክትበትኽ፥ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ” በሎ። ኢያሱ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ፥ ኣብ ማይ ማሮን መፂኡ፥ ብድንገት ሓደጋ ኣብፅሐሎም። እግዚኣብሄር ድማ ንፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰዓርዎም፤ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ማሴሮን፥ ብወገን ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ኣሳጐጕዎም። ሓደ እኳ እንተየትረፉ ቐተልዎም። ኢያሱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፤ ቋንጃ ኣፍራሶም በተኸ፤ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኣንደደ። ኢያሱ በታ ጊዜ እቲኣ ተመሊሱ ንሓፆር ሓዛ፤ ንንጉሳ ኸዓ ሰየፎ። ሓፆር ቀደም ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ርእሲ ኸተማኣተን ዝነበረት እያ። ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ፈፂሞም ኣጥፍእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን፤ ንሓፆርውን ብሓዊ ኣንደዳ። ንሱ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታተንን ሓዘ፤ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዑ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ብዘይ እታ ኢያሱ ዘንደዳ ሓፆር፥ ደቂ እስራኤል ነተን ኣብ ደጕዓ ዝነበራ ኸተማታት ኣየንደድወንን። ደቂ እስራኤል ንዅሉ ናይዘን ከተማታት እዚኣተን ምርኮን እንስሳን ንባዕላቶም ገበርዎ፤ ንዅሉ ሰብ ግና ኽሳዕ ዘጥፍእዎም ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣየትረፉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ሙሴ ንኢያሱ ኣዘዞ፤ ኢያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣየትረፈን። ኢያሱ ኸዓ ንዅላ እታ ሃገር፥ ምድሪ ደጕዓን ኵሉ ደቡብን ኵላ ምድሪ ጎሶምን ቈላን ጐልጐልን እምባታት እስራኤልን ቈላኡን ሓዘ። ካብቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓልጋድ ሓዘ። ንዅሎም ነገስታቶም ሒዙ ድማ ቐተሎም። ኢያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ እዋን ተዋግአ። ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ኤዊያውያን ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ከተማ ኣይነበረትን። ንዅለን ተዋጊኦም እዮም ዝሓዝወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ምእንቲ ፈፂሙ ኸጥፍኦም እምበር ምሕረት ምእንቲ ኸይረኽቡ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ እግዚኣብሄር ልቦም ኣትረረ። በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ መፂኡ ነቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ደቂ ዔናቅ፥ ካብ ኬብሮን፥ ካብ ዳቤር፥ ካብ ዓናብ፥ ካብ ዅሉ ደጕዓ ይሁዳን ካብ ኵሉ ደጕዓ እስራኤልን ኣጥፍኦም። ኢያሱ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ኣብ ምድሪ ደቂ እስራኤል ካብ ዔናቃውያን ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጌትን ኣብ ኣዛጦንን ግና ቑሩብ ተሪፎም ነበሩ። ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት። እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዓርዎም እሞ ምድሮም ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብምብራቕ ፀሓይ፥ ካብ ሩባ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንኤም፥ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ዅሉ ጐላጕል ድማ ዝወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦ ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ እቲ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን፥ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ፈረቓ ገለዓድን፥ ክሳዕ እታ ንደቂ ኣሞን ወሰን ዝኾነ ሩባ ያቦቅን፥ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ። ከምኡ ድማ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል ክሳዕ ባሕሪ ገሊላ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ብመንገዲ ቤት ያሲሞት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እቲ ኻብቶም ኣብ ኣሽታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝቕመጥ ዝነበረ ተረፍ ራፋውያን እዩ። ንሱ ኣብ እምባ ኣርሞንኤምን ኣብ ሳልካን ኣብ ዅሉ ባሳንን ክሳዕ ወሰን ገሹራውያንን ማዓካታውያንን ኣብ ፈረቓ ገለዓድን፥ ክሳዕ ወሰን ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ዝገዝእ ዝነበረ እዩ። ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴን ደቂ እስራኤልን ነዚኣቶም ሰዓርዎም፤ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ድማ ነታ ምድሮም፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ገይሩ ሃቦም። እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፥ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ሴይር ዘድይብ ዑና ዝኾነ እምባ ሃላቅ ዝነበሩ፥ ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ዝሰዓርዎም ነገስታት እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኢያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ብምክፍፋል ርስቲ ገይሩ ሃቦም። እታ ምድሪ ደጕዓን ሓውሲ ደጕዓን ቈላን ጎቦታትን ብደቡብ ድማ ምድረ በዳ ነበረት። ንሳ ኬጢያውያን፥ ኣሞራውያን፥ ከነዓናውያን፥ ፈሪዛውያን፥ ኤዋውያን፥ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ነበረት። ንጉስ ኢያሪኮ፥ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤቴል ዘላ ጋይ፥ ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንጉስ ኬብሮን፥ ንጉስ የርሙት፥ ንጉስ ለኪሶን፥ ንጉስ ኣዶላም፥ ንጉስ ጌዘር፥ ንጉስ ዳቤር፥ ንጉስ ጌድር፥ ንጉስ ሔርማ፥ ንጉስ ዓድራ፥ ንጉስ ልብና፥ ንጉስ ዓዱላም፥ ንጉስ መቄዳ፥ ንጉስ ቤቴል፥ ንጉስ ታጱዋ፥ ንጉስ ኦፌር፥ ንጉስ ኣፌቅ፥ ንጉስ ለሸሮን፥ ንጉስ ማዶን፥ ንጉስ ሓሶር፥ ንጉስ ሺምሮን ሚሮን፥ ንጉስ ኣዚፍ፥ ንጉስ ታዕናክ፥ ንጉስ መጊዶ፥ ንጉስ ቃዴስ፥ ንጉስ ዮቅንዓም ኣብ ቀርሜሎስ፥ ንጉስ ኣህዛብ ጌልገላ፥ ንጉስ ቲርሳ፥ እዚኣቶም ኵሎም ሰላሳን ሓደን ነገስታት ነበሩ። ኢያሱ ድማ ዕድመ ፀጊቡ ኣሪጉ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዊሕ ዘመን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፤ ገና ድማ እትተሓዝ ገፋሕ ምድሪ ተሪፋ ኣላ። እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸዓ እዚኣ እያ፦ ኵለን ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ጌሹራውያንን፥ ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብፂ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከዓ ኽሳዕ እታ ምስ ምድሪ ከነዓን እትቝፀር ወሰን ኣስቀሎና፥ ናይቶም ዔዋውያን ዝነበሩ፥ ኣብ ጋዛ፥ ኣብ ኣዛጦን፥ ኣብ ኣስቀሎና፥ ኣብ ጌት፥ ኣብ ኣስቀሎና ናይ ዝገዝኡ፥ ናይ ሓሙሽተ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ምድሪ እያ። ብደቡብ ድማ ዅሉ ምድሪ ከነዓናውያን፥ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያንውን ክሳዕ ኣፌቅ፥ ክሳዕ ወሰን ኣሞራውያን፥ ምድሪ ጌባላውያን፥ ብምሉኡ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ፥ ካብቲ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓል ጋድ ክሳዕ እቲ ንሓማት ዘእቱ። ንዅሎም ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማይም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ሲዶናውያን፥ ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ንስኻ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ጌርካ ኣካፍሎም። እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌርካ ምቐላ።” ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ርስቶም ተቐበሉ። እታ ምድሪ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፥ ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ኸዓ ዅሉ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦን ትበፅሕ ነበረት። ከምኡውን ኣብታ ምድሪ ዅለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሓሴቦን ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥ ኵሉ መንግስቲ ዓግ ኣብ ባሳን፥ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ ነበረ። ዓግ ካብቶም ተረፍ ራፋውያን ዝተረፈ ነበረ። ሙሴ ድማ ነቲ ህዝቢ ስዒሩ መሬቶም ሓዘ። ንጌሹራውያንን ንመዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውፅእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል እስራኤል ይቕመጡ ኣለዉ። ንነገድ ሌዊ ግና ርስቲ ኣይሃቦምን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ርስቶምስ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም። ወሰኖም ከዓ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማን፥ ጐልጐል ሜድባ ብምሉኡን፥ ክሳዕ ሓሴቦንን እተን ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዅለን ከተማታታን፥ ዲቦንን ባሞትበዓልን ቤትበዓልሜዖንን፥ ያሕፃን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፥ ቂርያታይምን ሲበማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ዀረብታ እትርከብ ፀሬት ሻሓርን፥ ቤት ፌጎርን ጎቦታት ፈስጋን፥ ቤትየሺሞትን፥ ኵለን ከተማታት ጐልጐልን ኵላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹመኛታት ሚድያን፥ ኤዊን ሬቀምን ፁርን ሑርን ሬባን፥ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹመኛታት ሴዎን፥ ሙሴ ዝሰዓሮም እዮም። ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ። ወሰን ደቂ ሮቤል ድማ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ሮቤል ነበራ። ሙሴ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ዝሃቦም ርስቲ እዙይ እዩ፦ ወሰኖም ኢያዜርን ኵለን ከተማታት ገለዓድን ፍርቂ ምድሪ ደቂ ኣሞን ክሳዕ እታ ኣብ መንፅር ረባት ዘላ ዓሮዔር ነበረ። ካብ ሓሴቦን ድማ ኽሳዕ ራማት ሚፅጴን በጦኒምን፥ ካብ መሃናይም ከዓ ኽሳዕ ወሰን ዳቤር ነበረ። ኣብቲ ለሰ ድማ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሴዎን፥ ንጉስ ሓሴቦን ዝኾነ፥ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኰትን ፃፎንን ነበረ። እቲ ወሰን ብወገን ምብራቕ ሩባ ዮርዳኖስ ኮይኑ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ገሊላ ይበፅሕ ነበረ። እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ጋድ ነበራ። ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴውን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም። ወሰኖም ካብ መሃናይም ባሳን ብምሉኡ፥ ኵሉ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ ኵለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፥ ስሳ ኸተማታት፥ ፍርቂ ገለዓድ፥ ኣብ ባሳን ዝርከባ ኸተማታት መንግስቲ ዓግ ዝሓውስ ኣስታሮትን ኤድሬዒን እዩ። እዙይ ንፍርቂ ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኸከም ዓሌቶም ተውሃበ። እተን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብወገን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ፥ ሙሴ ርስቲ ዘካፈሎም፥ እዚኣተን እየን፤ ንነገድ ሌዊ ግና፥ ከምቲ ዝበሎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝኾነ ሙሴ ርስቲ ኣይሃቦምን። እቲ ኻህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እቶም ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘካፈልዎም፥ እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝወረስወን፥ እዚኣተን እየን፦ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቶም ትሽዓተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ረርስቶም ብዕፃ ኣካፈልዎም። ሙሴ ነቶም ክልተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኣቶም ርስቲ ኣይሃቦምን። እዙይ ከዓ ደቂ ዮሴፍ፥ ነገድ ምናሴን ነገድ ኤፍሬምን ተብሂሎም ኣብ ክልተ ስለ ዝተመቕሉ እዩ። ንሌዋውያን ግና፥ ብዘይ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን መውፈሪ ዝኾና ኸባቢአን፥ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሃቦምን። ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ፤ ነታ ምድሪ እውን ተማቐልዋ። ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጌልገላ ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ቐረቡ። ቀኔዛዊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ኸዓ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ ኣብ ቃዴስ በርኔ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ነታ ምድሪ ኽስልል፥ ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሰደኒ እንተሎ፥ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ፤ ኣነውን ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ። እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ብፍርሒ ኸም ዝርዕድ ገበርዎ፤ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብምሉእ ልበይ ኣመንክዎ። ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ስለ ዝኣመንካዮ፥ እታ እግርኻ ዝረገፀታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን’ ኢሉ መሓለ። “ሕዚ ድማ እንሆ፥ እግዚኣብሄር እዝ ቓል እዙይ ንሙሴ ኻብ ዝነግሮ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኾለል ይብሉ ነበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዝተናገረኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሑኒ ኣሎ። እነሆ፥ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኮይነ ኣለኹ። ሎሚ ሓይለይ ከምቲ ሙሴ ኽልእኸኒ እንተሎ መዓልቲ ዝነበሮ እዩ። ንውግእ ንምውፃእ ኾነ ንምእታው ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ እዩ። ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ዘተናገሮ፥ እዝ ደጕዓ እዙይ ሃበኒ። ደቂ ዔናቅ ኣብኡ ኸም ዝነብሩ፥ ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ኸም ዘለዋኦም፥ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸሳጕጎም እየ።” ኢያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ መረቖ፤ ርስቲ ኽትኮኖ ኸዓ ንኬብሮን ሃቦ። ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛዊ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብምሉእ ልቡ ስለ ዝተኸተሎ፥ ኬብሮን ክሳዕ ሎሚ ርስቱ ኾይና ኣላ። እታ ሃገር ድማ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት። ንነገድ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸምዙይ እዩ፦ ብወገን ደቡብ ክሳዕ ወሰን ኤዶምያስ፥ ክሳዕ ጫፍ ምድረ በዳ ሲን ዝበፅሕ ነበረ። ወሰኖም ብወገን ደቡብ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ንዓቐብ መተሓላለፊ ኣቅራቢም ናብ ደቡቡ ወፂኡ፥ ንሲን ሓሊፉ፥ ንቃዴስ በርኔ ብደቡባ ደዪቡ፥ ንሔፅሮን ሓሊፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ፤ ናብ ቃርቃ ኸዓ ይዘውር። ንዓፅሞን ኣቢሉ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ ፈለግ ግብፂውን ይወፅእ። ናይ ወሰን መውፅኢ ኸዓ ኣብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ወሰን ድማ ኻብ ባሕሪ ጨው ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። ብወገን ሰሜን ዘሎ ወሰን ድማ፥ ካብ ወሽመጥ ባሕሪ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ እዩ። እቲ ወሰን ከዓ ንቤት ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት ዓረባ ይሓልፍ፥ እቲ ወሰን ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ። እቲ ወሰን ከዓ ኻብ ለሰ ዓኾር ናብ ዳቤር ይድይብ፤ ከምኡ ኸዓ ናብ ሰሜን፥ ንጌልገላ ኣቢሉ ይጥምት፤ ንሱ ኸዓ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወገን ደቡቡ ነቲ ሩባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፤ እቲ ወሰን ድማ ንማይ ዔይን ሳሚስ ይሓልፍ፤ ናብ ዔንሮጌል ይወፅእ። በቲ ለሰ ወዲ ሄኖም ገይሩ፥ ናብ ፀግዒ ደቡብ ናብታ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም ይድይብ። ናብ ወገን ምዕራብ፥ ናብ ሰሜናይ ወሰን ለሰ ራፋይም፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰ ሄኖም ዘሎ እምባ ይድይብ። ካብ ርእሲ እቲ እምባ ኸዓ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይበፅሕ፤ ናብ ከተማታት እምባ ዔፍሮንውን ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ በዓላ፥ ወይ ቂርያት የዓሪም ይበፅሕ። ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ወሰን ንእምባ ሴይር ይዘውር፤ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ የዓሪም ከዓ ይሓልፍ፤ ንሱ ክሳሎን እዩ፤ ንቤትሳሜስ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ። እቲ ወሰን ከዓ ብሰሜን ፀግዒ ኣስቀሎና ይወፅእ። እቲ ወሰንውን ናብ ሽክሮን ኣቢሉ ይዘውር፤ ብእምባ በዓላ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ የብንኤል ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይወፅእ። ብወገን ምዕራብ ድማ ምስ ዓብዪ ባሕሪ ይዋሰን። ወሰን ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዙይ እዩ። ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ ንእትብሃል ከተማ፥ ግደ ሃቦ፤ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ። ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ፥ ንሴሲንን ንኣኪመንን ንተላሚንን፥ ካብ ኬብሮን ኣውፅኦም። ካብ ኬብሮን ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ደየበ። ዳቤር ቀደም ቅርያትሴፌር ትብሃል ነበረት። ካሌብ ድማ “ነቲ ንቅርያትሴፌር ተዋጊኡ ዝሕዛ፥ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ” በለ። ሽዑ ጎቶንያል፥ ወዲ ቄኔዝ ሓው ካሌብ፥ ሓዛ እሞ ንጓሉ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ፤ “በረከት ሃበኒ፤ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ። ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ዝተቐበልዎ ርስቲ እዙይ እዩ፦ እተን ብወገን ደቡብ ናብ ወሰን ኤዶምያስ ኣቢለን ኣብ ወሰን ዘለዋ ኸተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ እዚኣተን ነበራ፦ ቀብስኤልን ዔደርን ያጉርን፥ ቂናን ዲሞናን ዓድዓዳን፥ ቃዴስን ሓፆርን ዪትናን፥ ዚፍን ጤለምን በዓሎትን፥ ሓፆር ሓዳታን ቄርዮት ሔፅሮንን፥ ወይ ሓፆር፥ ኣማምን ሸማዕን ሞላዳን፥ ሓፃር ጋዳን ሔሽሞንን ቤትጰለጥን፥ ሓፃር፥ ሹዓልን ቤርሳቤህን ቢዝዮትያን፥ በዓላን ዒዪምን ዓፀምን፥ ኤል ቶላድን ኪሲልን ሔርማን፥ ፂቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፥ ልባዎትን ሺልሂምን ዓይንን ሪሞንን። ኵለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ። ኣብ ቈላ ዘለዋ ኸተማታት ድማ እዚኣተን እየን፦ ኤሽታኦልን ፆርዓን ኣሽናን፥ ዛኖዋን ዓይንገኒምን ታጱዋን ዓይናምን፥ የርሙትን ዓዶላምን ሶኰትን ዓዜቃን፥ ሸዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምን እየን። ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ። ፅናን ሓዳሻን ሚግዳልጋድን፥ ዲልዓንን ምፅጳን ዩቅትኤልን፥ ለኪሶንን ቦፅቃትን ኣዶላምን፥ ከቦንን ለሕማስን ኪትሊሽን፥ ግዴሮትን ቤትዳጎንን ናዕማን መቄዳን እየን። ኵለን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ። ልብናን ዔቴርን ዓሻንን፥ ይፍታሕን ኣሽናን ንፂብን፥ ቅዒላን ኣክዚብን ማሪሳን። ኵለን ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቝሸታትውን ይውስኽ። ኣስቀሎና ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ቍሸታትን፥ ካብ ኣስቀሎና ጀሚሩ ኽሳዕ ዓብዪ ባሕሪ፥ ኣብ ኣዛጦን ዘለዋ ዅለን ምስ ቍሸታተን፥ ኣዛጦንን ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን፥ ጋዛ ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን ክሳዕ ፈለግ ግብፅን ክሳዕ ወሰን ዓብዪ ባሕሪን። ኣብ ደጕዓ ድማ፦ ሳምር የቲርን፥ ሶኮ ደና ዳቤር እትበሃል ቂርያትሰና፥ ዓናብ፥ ኤሽትሞዓ ዓኒም፥ ጎሶም ሖሎን ጊሎ። ኵለን ዓሰርተ ሓደ ኸተማታትን ቍሸታትን። ኣራብ ዱማ ኤሼዓን፥ ያኒምን ቤትታጱዋ ኣፌቃ፥ ሑምጣ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን፥ ፂዖር። ኵለን ትሽዓተ ኸተማታትን ቍሸታትን። ማዖን ቀርሜሎስ ዚፍ ዩጣ ኢይዝራኤል፥ ዮቅድዓም ዛኖዋሕ፥ ቃይን ጊብዓ ተምና። ኵለን ዓሰርተ ኸተማታትን ቍሸታተንን ሓልሑል ቤትፁር ግዶር፥ ማዓራት ቤትዓኖት ኤልትቆን። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቍሸታት ኣለዋ። ቂርያትይዓሪም፥ ወይ ቂርያትበኣል ረባት። ክልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ኣለዋ። ኣብ በረኻ ቤትዓረባ ሚዲን ስካካ፥ ኒብሻን ከተማ ጨው ዓይንጋዲ። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቝሸታት ኣለዋ። ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኢያቡሳውያን ግና፥ ደቂ ይሁዳ ኸውፅእዎም ኣይከኣሉን። ስለዙይ ኢያቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ። እቲ ንደቂ ዮሴፍ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ድማ ኻብ ዮርዳኖስ ጥቓ ኢያሪኮ፥ ብወገን ምብራቑ ንማይ ኢያሪኮ፥ ካብ ኢያሪኮ ድማ በቲ ናብ ደጕዓ ቤቴል ዘድይብ ምድረ በዳ ወፀ። ካብ ቤቴል ናብ ሎዛ ወፂኡ ኸዓ፥ ብወሰን ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሓልፍ። ብምዕራብ ከዓ ናብ ወሰን ያፍለጣውያን ክሳዕ ወሰን ታሕተዋይ ቤትሖሮንን ክሳዕ ጌዝርን ይወርድ፤ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ደቂ ዮሴፍ፥ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ርስቶም ወሰዱ። ወሰን ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ፦ ወሰን ርስቶም ብምብራቕ ኣጣሮትኣዳር ክሳዕ ላዕለዋይ ቤትሖሮን እዩ። እቲ ወሰን ብወገን ምዕራብ ከዓ ንሰሜን ሚክምታት ይበፅሕ፤ እቲ ወሰን ድማ ንምብራቕ ኣቢሉ ናብ ተኣናትሴሎ ዘይሩ ናብ ምብራቕ ኢያኖክ ይሓልፍ። ካብ ኢያኖክ ኸዓ ናብ ዓጣሮትን ናብ ንዓራትን ይወርድ፤ ናብ ኢያሪኮ በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ። ካብ ታጱዋ እቲ ወሰን ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ሩባ ቃና ሓሊፉ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይበፅሕ። ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌታቶም እዙይ እዩ። ብዘይ እዙይ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ምናሴ እንተለዋ ንደቂ ኤፍሬም ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ቍሸታተንውን ይውስኽ። ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዝነብሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ እቶም ከነዓናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእኸል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፤ ናይ ጕልበት ግብሪውን የኽፍልዎም ነበሩ። ምናሴ ንዮሴፍ በዅሪ ወዱ ስለ ዝኾነ ብፅሒቱ እዙይ እዩ፦ ማኪር በዅሪ ወዱ ንምናሴ፥ ንገለዓድ ከዓ ኣቦኡ፥ ተዋጋኣይ ሰብኣይ ነበረ። ስለዙይ ንገለዓድን ንባሳንን ወረሳ። ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ድማ ኸከም ዓሌቶም ዕፃ በፅሖም፤ ንደቂ ኣቢዔዝርን ንደቂ ኬሌግን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ኦፌርን ንደቂ ሸሚዳን፤ ኣወዳት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ግና ሰለጰኣድ፥ ወዲ ኦፌር ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ኣጓላት ጥራሕ እምበር፥ ኣወዳት ኣይነበርዎን፤ ስም እተን ኣዋልዱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ማሕላ፥ ኖዓ፥ ዔግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ። ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕን ቀሪበን “እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእኸል ኣሕዋትና ርስቲ ኽህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ። ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን። እተን ኣጓላት ምናሴ ኣብ ማእኸል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፥ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ገለዓድን ባሳንን፥ ዓሰርተ ዕፃ በፅሖ። ምድሪ ገለዓድ ከዓ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኾነት። ወሰን ምናሴ ድማ ኻብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንፅር ሴኬም ዘላ ሚክመታት ኮነ። እቲ ወሰን ከዓ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔይን ታጱዋ ዝነብሩ ይሓልፍ። ምድሪ ታጱዋ ንምናሴ ኾነት፤ እታ ኣብ ወሰን ምናሴ ዘላ ኸተማ ታጱዋ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኮነት። እቲ ወሰን ከዓ ናብ ሩባ ቓና ብደቡብ እቲ ሩባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ኣብ ማእኸል ከተማታት ምናሴኳ እንተ ሃለዋ፥ ትሕዝቶ ኤፍሬም ኮና። ወሰን ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ሩባ ኣቢሉ ናብ ማእኸል ባሕሪ ይበፅሕ። ደቡብ ንኤፍሬም፥ ሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ፤ ወሰኑ ኸዓ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ከዓ ናብ ይሳኮር ይበፅሕ። ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፥ ቤትሳንን ቁሸታታን፥ ይብልዓምን ቁሸታታን፥ ኣብ ዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ዔንዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ታዕናክ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ መጊዶ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ኾና። ግና ከነዓናውያን ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ስለ ዝቘረፁ ደቂ ምናሴ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከውፅእዎም ኣይከኣሉን። ደቂ እስራኤል ምስ ሓየሉ ኸዓ፥ ነቶም ከነዓናውያን ናይ ጕልበት ግብሪ ኣገበርዎም እምበር፥ ኣይሰጐጕዎምን። ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ “ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ እንኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዙይ ባሪኹና እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ሓደ ዕፃን ሓደ ኽፍልን ጥራሕ ርስቲ ዝሃብካና?” በልዎ። ኢያሱ ኸዓ “ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንኩም እሞ ዀረብታታት ኤፍሬም እንተ ደኣ ፀቢቡኩም፤ ኣብ ምድሪ ፈሪዛውያንን ራፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይቡሞ ኣብኡ ንኣኻትኩም ለቢድኩም ኣቕንዑ” በሎም። ደቂ ዮሴፍ ድማ “እቲ ዀረብታታት ኣይኣኽለናን እዩ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዝነብሩ ከነዓናውያን፥ እቶም ኣብ ቤትሳናን ኣብ ቁሸታታን ዝነብሩ ኾነ፤ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ዝነብሩ፥ ኵላቶም ሰረገላታት ሓፂን ኣለዎም” በሉ። ኢያሱ ኸዓ ንቤት ዮሴፍ፥ ንኤፍሬምን ንምናሴን፥ “ንስኻትኩም ብዙሕ ህዝቢ ኢኹም፤ ዓብዪ ሓይሊውን ኣለኩም፤ ሓደ ዕፃ ጥራሕ ኣይኮነን ዝብፅሐኩም፥ እቲ ዀረብታታት ድማ ንኣኻትኩም ይኹን፤ ዱር እኳ እንተ ኾነ፥ ለቢድኩም ኣቕንዑ እሞ ዅሉ ናታትኩም ክኸውን እዩ። ነቶም ከነዓናውያን ከዓ፥ ሰረገላ ሓፂን እኳ እንተ ሃለዎም፥ ሓያላትውን እንተ ኾኑ፥ ክተውፅእዎም ኢኹም” በሎም። ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም። እንተ ኾነ ኻብ ደቂ እስራኤል ርስቶም ዘይተቐበሉ ሸውዓተ ነገድ ተሪፎም ነበሩ። ኢያሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሃበኩም ምድሪ ንምውራስ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ? ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሰሰለስተ ሰባት ሕረዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽልእኾም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኸይዶም ነታ ሃገር ይዙርዋ፤ ብመጠን ርስቶምውን ፅሒፎም ናባይ የምፅእዎ። ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ኸዓ ይምቀልዋ፤ ይሁዳ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍ እውን ከምኡ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ሰሜን ይቀመጥ። ንስኻትኩም ከዓ ነታ ምድሪ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ፅሒፍኩም ናብዙይ ኣምፅኡለይ፤ ኣነ ድማ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ። እቶም ሌዋውያን ግና፥ ርስቶም ብኽህነት ንእግዚኣብሄር ምግልጋል እዩ እሞ ኣብ ማእኸልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም ርስቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።” እቶም ሰባት ድማ ተሲኦም ከዱ። ኢያሱ ኸዓ ነቶም ነታ ምድሪ ኽመቕልዋ ዝኸዱ፥ “ኺዱ ነታ ምድሪ እናዞርኩም ፀሓፍዋ፤ ናባይ ድማ ተመለሱ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም። እቶም ሰባት ከዓ ኸይዶም ነታ ሃገር ዞርዋ፤ በብኸተማ ድማ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ መቒሎም፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፍዋ፤ ናብ ሴሎ ናብቲ ኢያሱ ዝሰፈሮ ድማ ተመለሱ። ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም። እቲ ዕፃ ንነገድ ብንያም ከከም ዓሌቶም በፅሖም። እቲ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸዓ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ነበረ፦ እቲ ወሰኖም ብወገን ሰሜን ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይጅምር፤ ብሰሜናዊ ፀግዒ ኢያሪኮ ደዪቡ፤ ንምዕራብ ወገን ኣቢሉ በቲ ዀረብታታት ሓሊፉ ናብ ምድረ በዳ ቤትኣዌን ይሓልፍ። ካብኡ ኸዓ ናብቲ ደቡባዊ ፀግዒ ሎዛ፥ ናብ ቤቴል ይሓልፍ። በቲ ናብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤትሖሮን ዘሎ ጎቦ ኣቢሉ ድማ ናብ ዓጣሮትኣዳር ይወርድ። እቲ ወሰን ድማ ቐፂሉ ኻብቲ ኣብ መንፅር ቤትሖሮን ብደቡብ ዘሎ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት በዓል፥ ወይ ቂርያት የዓሪም፥ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወፅእ። እዙይ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ወሰን እዩ። ብወገን ደቡብ ድማ ኻብ ወሰን ቂርያት የዓሪም ንምዕራብ ኣቢሉ ይሓልፍ፤ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይድይብ። ቀፂሉ ኸዓ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንፅር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ እምባ ይወርድ፤ እዙይ ንለሰ ራፋይም ብሰሜኑ እዩ። ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ፀግዒ ደቡብ ኢያቡሳውያን ኣንቈልቊሉ፥ ናብ ዔንሮጌል ይወርድ። ቀፂሉ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ቤት ሳሚስ ይድይብ፤ ናብቲ ኣብ መንፅር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ደዪቡ ኸዓ፥ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ። ነቲ ኣብ መንፅር ፀግዒ ሰሜን ዓረባ ዘሎ ሓሊፉ፥ ናብ ዓረባ ይወርድ። ቀፂሉ ኸዓ ብፀግዒ ሰሜን ቤትሖግላ ይሓልፍ፤ ካብኡ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ብወገን ምብራቕ ከዓ ወሰኑ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ወሰኑ ብዙርያኡ እዙይ እዩ። ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ድማ ኸከም ዓሌቶም እዚኣተን ነበራ፦ ኢያሪኮን ቤት ሖግላን ዓመቀፂፅን፥ ቤት ዓረባን ዘማራይምን ቤቴልን፥ ዓዊምን ፋራን ኤፍራታን፥ ክፊርዓሞናይን ዖፍኒን ጋባን፥ ኵለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ገባዖንን ራማን ብኤሮትን፥ ምፅጳን ከፊራን ኣሞቂ፥ ሬቄምን ይርጵኤልን ተርኣላን፥ ፄላን ኤሌፍን፥ ኢየሩሳሌም፥ እትበሃል ከተማ ኢያቡስ፥ ቂርያትጊብዓትን፥ ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ። እቲ ኻልኣይ ዕፃ ድማ ናብ ነገድ ስምኦን ከከም ዓሌቶም በፅሐ። ርስቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ። ንሱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ቤርሳቤህን ሴባን ሞላዳን፥ ሓፃርሹዓልን ባላን ዔፄምን፥ ኤልቶላድን በቱልን ሔርማን፥ ፂቅላግን ቤትማርካቦትን ሓፀርሱሳን፥ ቤተ ለባኦት ሻሩሔንን፥ ኵለን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ዓይንን ሪሞንን ዔተርን ዓሻንን፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኣተን ክሳዕ ባዕላትብዔር፥ ወይ እታ ናይ ደቡብ ራማት፥ ዘለዋ ዅለን ዓድታት እውን ምስኣተን እየን። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ። ደቂ ይሁዳ ርስቶም የመና ገፊሕ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ብፅሒቶም ተነክዩ ንነገድ ስምኦን ብርስትነት ተውሃቦም። ብኸምዙይ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ርስቲ ወረሱ። እቲ ሳልሳይ ዕፃ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም በፅሖም። ወሰን ርስቶም ከዓ ኽሳዕ ሳሪድ እዩ። ብወገን ምዕራብ ናብ መርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ደባሼት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንፅር ዮቅንዓም ዘሎ ሩባ ይበፅሕ። ካብ ሳሪድ ከዓ ናብ ምብራቕ፥ ናብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ወሰን ኪስሎትታቦር ይበፅሕ፤ ናብ ደብራት ኣቢሉ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ። ካብኡ ኸዓ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፍርን ናብ ዒታቃፂንን ይሓልፍ፤ ቀፂሉውን ናብታ ናብ ኔዓ እትበፅሕ ሪምንናን ይሓልፍ። እቲ ወሰኑ ድማ ንኣኣ ዘይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብልሞ፥ ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከዓ ይበፅሕ፤ እዙይውን፥ ቀጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ይዳላን ቤተልሔምን፥ ዝበሃላ ዅለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን። እቲ ራብዓይ ዕፃ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም በፅሖም፦ ወሰኖም ናብ ኢይዝራኤልን ከስሎትን ሱነምን ይበፅሕ። ናብ ሓፍራይምን ሺኦንን ኣናሓራትን፥ ረቢትን ቂሶንን ኣቤፅን፥ ሬሜትን ዓይንጋኒምን ዓይንሓዳን ቤትጳፄፅን ይበፅሕ። እቲ ወሰን ከዓ ናብ ታቦርን ሻሓፁማን ቤትሳሜስን ይበፅሕ። ቀፂሉ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ፤ ኵለን ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታትን ቍሸታትን እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም እየን። እቲ ሓምሻይ ዕፃ ኸዓ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም በፅሖም። ወሰኖም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣዚፍን። ኣላሜሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን ነበረ፥ ብወገን ምዕራብ ከዓ ናብ ቀርሜሎስን ናብ ሺሖርሊብናትን ይበፅሕ። ንምብራቕ ፀሓይ ኣቢሉ ናብ ቤትዳጎን ይምለስ፤ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔሜቅን ንዒኤልን በፂሑ፥ ብፀጋም ናብ ካቡል ይድይብ። ካብኡ ናብ ዔብሮንን ናብ ራኣብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና ይበፅሕ። እቲ ወሰን ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ ዝተዓረደት ከተማ ጢሮስ ይበፅሕ፤ ከምኡውን ወሰኑ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይሓልፍ። ዑማን ኣፌቅን ረኣብን፥ ኵለን ዕስራን ክልተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን። እቲ ሻድሻይ ዕፃ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም በፅሖም። ወሰኖም ድማ ኻብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ፀዕነኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚኔቈብን ያብነኤልን ክሳዕ ለቁም በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይድይብ። ንምዕራብ ኣቢሉ ኸዓ፥ ናብ ኣዝኖትታቦር ይበፅሕ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ሑቆቅ ይወፅእ እሞ፥ ብደቡብ ናብ ዛብሎን፥ ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ድማ ብዮርዳኖስ ናብ ይሁዳ ይበፅሕ። እተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ድማ፥ ፂድምን ፄርን ሓማትን ረቃትን ኬኔሬትን፥ ኣዳማን ራማን ሓሶርን፥ ቃዴስን ኤድራይን ዓይንሓፆርን፥ ዪርኦንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሳሜስን፥ ኵለን ዓሰርተ ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ቍሸታተን ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን። እቲ ሻውዓይ ዕፃ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም በፅሖም። ወሰን ርስቶም ፆርዓን ኤሽታኦልን ዒርሸሜሽን፥ ሸዕለቢንን ኤሎንን ይትላን፥ ኤሎንን ትምናን ኣቃሮንን፥ ኢልተቄን ገባቶንን ባዕላትን፥ ይሁድን ብኔብረቅን ጋትሪሞንን፥ ሜያርቆንን ራቆንን፥ እቲ ኣብ መንፅር ኢዮጴ ዘሎውን ምስኡ ይቝፀር ነበረ። ደቂ ዳን ምስ ፀገሞም ንሌሼም ተዋጊኦም ሓዝዋ፤ ነቶም ህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ፤ ንሌሼም ድማ ብስም ኣቦኣቶም “ዳን” ኢሎም ሰመይዋ። እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን። ነታ ምድሪ በብወሰና ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል ንኢያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእኸሎም ርስቲ ሃብዎ። ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ ኸተማ ቲምናት ሴራ ሃብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፤ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ። ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሴሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም፥ ብዕፃ ዝተማቐልዎ ርስትታት እዙይ እዩ። ምምቓል እታ ምድሪ ኸዓ ብኸምዙይ ተፈፀመ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ተናገሮም፦ እቲ እንተይፈለጠን እንተይፈተወን ሰብ ዝቐተለ፥ እቲ ቐታሊ ናብኣተን ክሃድም እሞ ኻብ ፈዳዪ ደም መዕቘቢ ክኾናኹም፥ እተን ብሙሴ ኣቢለ ዝኣዘዝኩኹም መዕቘቢ ኸተማታት ፍለይወን። እቲ ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ይህደም፤ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸዓ፥ እቲ ዝገበሮ ነቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ እቲኣ ይንገሮም። ንሳቶም ከዓ ናብታ ኸተማ የእትውዎ፤ ዝቕመጠሉ ቦታ ድማ ይሃብዎ። ቅድም ኢሉ ፅልኢ እንተይነበሮ እንተይፈለጠ ንብፃዩ ስለ ዝቐተሎ፥ እቲ ፈዳዪ ደም እንተ ሰዓቦ፥ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሃብዎ። ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ንፍርዲ ኽሳዕ ዝቐውምን፥ እቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውትን ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ናብታ ገዲፍዋ ዝሃደመ ኸተማኡ ተመሊሱ ናብ ገዛኡ ይእቶ በሎ። ስለዙይውን ኣብ ኰረብታታት ንፍታሌም ነታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስ፥ ኣብ ኰረብታ ኤፍሬም ድማ ሴኬም፥ ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ኸዓ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን ፈለዩ። ካብ ምድሪ ነገድ ሮቤል ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ምብራቕ ኢያሪኮ እታ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ጐልጐል ዘላ በሶር፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላን ፈለዩ። እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ባዕድን፥ እቲ ብዘይ ምፍላጥ፥ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ደው ክሳዕ ዝብል፥ ብኢድ ፈዳዪ ደም ከይመውት፥ ክሃድመለን ዝተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን። ኣቦታት ዓሌት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌን ናብ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀረቡ። ኣብ ሴሎ ኣብ ምድሪ ከነዓን “ንሕና እንነብረለን ከተማታትን፥ ከባቢአንን ንእንስሳናውን ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ኽህቡና፥ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ኣዚዙ እዩ” በልዎም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኣተንን መዋፈሪአንን ንሌዋውያን ሃብዎም። ንዓሌታት ቀዓታውያን ከዓ ዕፃ በፅሖም። ነቶም ሌዋውያን ደቂ ኻህን ኣሮን፥ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም። ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀዓት ድማ፥ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማታት በፅሓኦም። ንደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብቶም ኣብ ባሳን ዝነብሩ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም። ንደቂ ሜራሪውን ከከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት በፅሓኦም። ስለዙይ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፥ እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ መዋፈሪአን ንሌዋውያን ብዕፃ ሃብዎም። ስም እተን ካብ ምድሪ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ንሌዋውያን ዝተውሃባ ኸተማታት እዚኣተን እየን፦ (ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፥ ካብ ዓሌታት ቀዓታውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፥ ቀዳማይ ዕፃ ስለ ዝበፅሖም፥ እተን ከተማታት ንኣኣቶም ተውሃባ።) ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ፥ ወይ ኬብሮን፥ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣን ሃብዎም፤ እዝ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ። ገራሁ እታ ኸተማን ቍሸታታን ግና ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ርስቲ ክኾናኦ ተውሂበን ነበራ። ስለዙይ ንደቂ ኻህን ኣሮን እታ ሰብ ንዝቐተለ መዕቘቢ እትኸውን ከተማ ኬብሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሊብና ምስ መዋፈሪኣ፥ የቲር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኤሽትሞዓ ምስ መዋፈሪኣ፥ ሖሎን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳቤር ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓይን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዮጣህ ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሳሜስ ድማ ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ካብዞም ክልተ ነገዳት እዚኣቶም ትሽዓተ ኸተማታት ሃብዎም። ካብ ነገድ ብንያም ድማ ገባዖን ምስ መዋፈሪኣ፥ ናሲብ ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣናቶት ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓልሞን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። ድምር እተን ንኻህናት ደቂ ኣሮን ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪአን ዓሰርተ ሰለስተ ነበራ። ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ሌዋውያን፥ ካብ ነገድ ኤፍሬም ብዕፃ ዝበፅሓኦም ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን፦ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ሴኬም ምስ መዋፈሪኣ፥ ጌዘር ምስ መዋፈሪኣ፥ ቂብፃይም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሖሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ሃብዎም። ካብ ነገድ ዳን ከዓ ኤልትቄ ምስ መዋፈሪኣ፥ ጊብቶን ምስ መዋፈሪኣ፥ ኤሎን ምስ መዋፈሪኣ፥ ጋትሪሞን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ታዕናክ ምስ መዋፈሪኣን፥ ጌት ሪሞን ምስ መዋፈሪኣን፥ ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ። ኵለን እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ እየን። እቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ጐላን ምስ መዋፈሪኣን ቤዔሽትራ ምስ መዋፈሪኣን ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ። ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂስን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳብራት ምስ መዋፈሪኣ፥ ያርሙት ምስ መዋፈሪኣ፥ ዔንጋኒም ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። ካብ ነገድ ኣሴር ከዓ ሚሽኣል ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓብዶን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሔልቃት ምስ መዋፈሪኣ፥ ረኣብ ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገሊላ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ምስ መዋፈሪኣ፥ ሓሞትዶን ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሰለስተ ኸተማታት ተቐበሉ። ኵለን እተን ጌድሶናውያን ከከም ዓሌቶም ዝተቐበልወን ከተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ ሰለስተ እየን። እቶም ዝተረፉ ሌዋውያን፥ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ኻብ ነገድ ዛብሎን፥ ዮቅንዓም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታ ምስ መዋፈሪኣ፥ ዲሞና ምስ መዋፈሪኣ፥ ነህላል ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቦሶር ምስ መዋፈሪኣ፥ ያሃፅ ምስ መዋፈሪኣ፥ ቅዴሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ ሜፌዓት ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ራሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ መሃናይም ምስ መዋፈሪኣ፥ ሓሴቦን ምስ መዋፈሪኣ፥ ኢያዜር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። ኵለን እዘን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እዚኣተን ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሓኦም እየን። እተን ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን መምስ ከባቢአን ኣርብዓን ሸሞንተን እየን። ኵለን እዘን ከተማታት እዚኣተን ኣብ ዙርያአን ንመጓሰዪ ዝኸውን ከባቢ ነበረን። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሃቦም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም፥ ብዅሉ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም። እግዚኣብሄር ንዅሎም ፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦም ካብ ኵሎም ፀላእቶም ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚኣቶም ደው ክብል ኣይከኣለን። ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ። ሽዑ ኢያሱ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ፀዊዑ፥ “ንስኻትኩም እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኵሉ ሓሊኹም ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኹም እውን ጌርኩም ኢኹም። ንስኻትኩም ካብ ነዊሕ ጊዜ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩምውን ፈፂምኩም ኢኹም። ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ። ግና እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ተጠንቂቕኩም ሓልዉ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍተውዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ኺዱ፤ ትእዛዛቱ ድማ ፈፅሙ፤ ናብኡውን ቕረቡ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ከዓ ኣምልኽዎ” በሎም። ሽዑ ኢያሱ መሪቑ ኣፋነዎም፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ዓዶም ተመለሱ። ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ኢያሱ ነቲ ፍርቂ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ወገን ምዕራብ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሃቦም። ኢያሱ ናብ ዓዶም ክሰዶም እንተሎ መረቖም፤ “ምስ ብዙሕ ሃብቲ፥ ምስ ብዙሕ እንስሳ፥ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ነሃስን ምስ ሓፂንን፥ ምስ ብዙሕ ኽዳውንትን ናብ ኣባይትኹም ተመለሱ፤ ነቲ ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ” እውን በሎም። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ከነዓን ምስ መፁ፥ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ዓብዪ መሰውኢ ሰርሑ። እቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል ከዓ “እንሆ፥ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ምድሪ ከነዓን፥ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም” እንትበሃል ሰምዑ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ደዪቦም ምስኣቶም ንምውጋእ ኣብ ሴሎ ተኣከቡ። ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ ለኣኽዎ። ምስኡ ድማ ዓሰርተ ሹመኛታት ለኣኹ፤ ንሳቶም ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ዝተዋፅኡ፥ ኣሕሉቕ ናይ ነፍሲ ወከፍ ነገዳት ደቂ እስራኤል ነበሩ። ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብታ ምድሪ ገለዓድ መፂኦም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦ ኵሉ ማሕበር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ከምዙይ ጌርኩም ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕኹም? ከመይ ጌርኩምከ ኻብ እግዚኣብሄር ረሓቕኩም? ሎሚ መሰውኢ ብምስራሕኹም ንኣምላኽ እስራኤል በደልኩም። ሓጢኣት ፌጎርዶ ኣይኣኸለናን እዩ? ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር መዓት ወሪዱ ብሰንኩ ኽሳዕ ሎሚ ኻብቲ ሓጢኣት እቱይ ኣይነፃህናን። ሎሚ ንእግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኸዲዕኹምዎ፥ ፅባሕ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክቝጥዖ እዩ። እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ዝረኸሰት እንተ መሰለት፥ ናብታ መሕደሪ እግዚኣብሄር ተሰሪሓታ ዘላ ምድሪ እግዚኣብሄር ንዑ፤ ኣብ ማእኸልናውን ርስቲ ውሰዱ፤ ብዘይ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻልእ መሰውኢ ብምስራሕኹም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌናን ኣይተዓምፁ። ኣካን ወዲ ዛራ ካብቲ ዝተሓረመ ብምውሳዱ በደለ፤ መዓት ከዓ ኣብ ምሉእ ህዝቢ እስራኤል ደኣ ወረደ እምበር፥ በቲ በደሉ ንሱ በይኑ ጥራሕ ኣይሞተን። ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ነቶም ዝተረፉ ኣእላፋት ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤል መሊሶም ከምዙይ በልዎም፦ “እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሱ ይፈልጦ እዩ፤ ህዝቢ እስራኤልውን ይፍለጦ፤ ንእግዚኣብሄር ክንብድልን ንኡኡ ኽንከድዕን ኢልና እንተ ደኣ ጌርናዮ ዄንና፥ ሎሚ መዓልቲ እንተየናሕሰኹም ቅተሉና። ካብ እግዚኣብሄር ክንከድዕ ኢልና፥ ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነቕርበሉ፥ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ክንገብረሉ ኢልና እንተ ደኣ ዄንና እግዚኣብሄር ባዕሉ ይበቀለና።” ንሕና ግና ንመፃኢ ደቅኹም ንደቅና “ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣለኩም? እግዚኣብሄር ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ንዮርዳኖስ ወሰን ገይሩልና እዩ እሞ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከም ዝሓድጉ ኸይገብርዎም ኢልና ኢና ነዙይ ዝገበርናዮ። በዙይ ከዓ ኢና “መሰውኢ ንንደቕ፤ ግና ንዝቃፀል መስዋእትን ንመስዋእቲ ሕሩድን ኣይኹን” ዝተበሃሃልና። ንመፃኢ ግና ደቅኹም ንደቅና “ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ምእንቲ ኸይብልዎም ንእግዚኣብሄር ብዝቃፀል መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ምስጋናን ኣብ መቕደሱ ኸም እነምልኾ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ብድሕሬና ኸዓ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ምእንቲ ክኸውን ነዝ መሰውኢ እዙይ ነደቕና። ስለዙይ “ንመፃኢ ንኣና ወይ ንውሉድ ወለዶና ‘ግደ የብልኩምን’ እንተ በሉና ‘ነቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ መሰውኢ እግዚኣብሄር ዝመስል መሰውኢ ርአዩ፤ ንሱ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣይኮነን፤ ንመስዋእቲ ሕሩድውን ኣይኮነን፤ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ደኣ ምስክር እዩ’ ክንብሎም ኢና በልና። “ንሕናስ ብዘይ እቲ ኣብ ቅድሚ መሕደሪ ዘሎ መሰውኢ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፥ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽዳዕን ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳልን የድሕነና።” ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን፥ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዝተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፥ ተሓጐሱ። ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን “በዙይ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፥ እግዚኣብሄር ምሳና ኸም ዘሎ፥ ሎሚ ፈለጥና፤ ሕዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም” በሎም። ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን እቶም ሹመኛታትን ካብቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዘለውዎ ምድሪ ገለዓድ ናብ ምድሪ ከነዓን ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሱ፤ ነቲ ዝኾነ ነገራት ድማ ነገርዎም። እቲ መልሲ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣሐጐሶም እሞ፥ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ድሕሪዙይ ከዓ፥ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዝነብርዋ ምድሪ ኸጥፍእዋ “ክንዋጋእ ንኺድ” ኢሎም ኣይተዛረቡን። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ” ኢሎም ነቲ መሰውኢ “ምስክር” ኢሎም ሰመይዎ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ነዊሕ ዘመን ምስ ሓለፈ፥ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኣቶም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ምስ ኣዕረፎም፥ ኢያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ንዓበይቶምን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ ኣሪገ እየ፤ ብዕድመውን ሸምጊለ እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ተዋጊኡልኩም እዩ፤ ኣብዞም ኵሎም ኣህዛብ እዚኣቶም ከዓ ምእንታኻትኩም ዝገበሮ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም። ረአዩ! ንምድሪ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶምን ንምድሪ እዞም ዘጥፋእኽዎም ኵሎም ኣህዛብን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኻብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ካብ ቅድሜኹም ከዓ ኸርሕቖም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረበኩም ድማ፥ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። “ነቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ዝተፅሓፈ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፥ ካብኡ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይትብሉ፥ ፅንዑ። ምስዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶም ኣይትተሓወሱ፤ ስም ኣማልኽቶም ኣይትፀውዑ፤ ብኣማልኽቶም ኣይትምሓሉ፤ ንኣማልኽቶም ኣይተምልኽዎም፤ ኣይትስገዱሎምውን። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅንዑ። “እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይትን ሓያላትን ዝኾኑ ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ስለ ዝሰጐጎም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝበለ የለን። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዝተዛረበኩም፥ ንሱ እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ንሽሕ ክሰጎም እዩ። ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ ንባዕልኻትኩም ሓልዉ። “እንተ ኸሓድኩም እሞ ምስ እዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ኣህዛብ እንተ ተሓወስኩም፥ ምስኣቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፥ ከምኡውን ብመውስቦ ምስኣቶም እንተ ተሓዋወስኩም፥ ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትፈልሱ፥ ንኣኻትኩም መሐንኰልን መፃወድያን፥ ንእንግዳዕኹም መግረፊ፥ ነዒንትኹም ከዓ እሾዅ ክኾኑኹም እዮም እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውፅኦም፥ ብርግፅ ፍለጡ። “እንሆ ኸዓ፥ ኣነ ሎሚ መንገዲ ኵላ ምድሪ ኣኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ሰናይ ነገር፥ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘየጕደለ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ ተፈፀመ እምበር፥ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ እንተይተፈፀመ ዝተረፈ የለን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ ዝተናገሮ ዅሉ ፅቡቕ ነገር ከም ዝፍፀም ዝገበረ፥ ከምኡ ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘጠንቀቐኩም ክፉእ ነገር ከም ዝፍፀም ክገብር እዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣተወልኩም ቃል ኪዳን እንተ ጠለምኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉን ክትሰግዱሎምን ድማ እንተ ኸድኩም፥ ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ክነድድ እዩ፤ ካብታ ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ድማ ቐልጢፉ ኸፍልሰኩም እዩ።” ኢያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም። ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ። ነቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀዳሞት ኣቦታትኩም፥ ኣቦ ኣብርሃምን ናኮርን ዝኾነ ታራ እንተይተረፈ፥ ኣብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ይቕመጡ ነበሩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ። ነቦኹም ኣብርሃም ከዓ ኻብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ወሲደ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ከነዓን መራሕኽዎ፤ ዘርኡውን ኣብዛሕኹ፤ ንይስሓቅ ከዓ ሃብኩዎ። ንይስሓቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሃብኩዎ። ንኤሳው ከዓ ዀረብታታት ኤዶምያስ ክወርስ ሃብኩዎ። ያእቆብን ደቁን ድማ ናብ ግብፂ ወረዱ። ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸዓ ንግብፂ፥ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገበርኩዎ ገይረ ቐፃዕኽዋ፤ ብድሕሪኡ ድማ ኣውፃእኹኹም። ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ግብፃውያን ብሰረገላታትን በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰዓብዎም። ናብ ባሕሪ ኤርትራ ምስ በፅሑ፥ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ኣብ መንጎኣቶምን ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ድማ ፀልማት ገበርኩ፤ ነቲ ባሕሪ ኸዓ ናብ ልዕሊኣቶም ሰዲደ ደፈንክዎም። እቲ ንግብፃውያን ዝገበርኩዎ በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ነዊሕ ዘመን ነበርኩም። ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእተኹኹም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም፤ ምድሮም ድማ ወረስኩም፤ ካብ ቅድሜኹምውን ኣጥፋእኽዎም። ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፤ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም ልኢኹ ፀውዖ። ኣነ ግና ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለኹን፤ ስለዙይ ንሱስ ደጋጊሙ ደኣ ባረኸኩም፤ ካብ ኢድ ባላቅውን ኣድሓንኩኹም። ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም እሞ፥ ሰብ ኢያሪኮን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም። ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ዘሳጉግ ዕኮት ቀቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር፥ ብሰይፍኹምን ብቐስትኹምን ኣይሰጐጕኩምዎምን። ዘይፀዓርኩምላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሃብኩኹም፤ ኣብኣተን ከዓ ትነብሩ ኣለኹም፤ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ በላዕኹም። “ሕዚ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ብፍፁምነትን ብቕኑዕ ልብውን ኣምልኽዎ፤ ነቶም ኣብ ሰገር ሩባን ኣብ ግብፅን ኣቦታትኩም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣወጊድኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምልኹ። ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።” ሽዑ እቶም ህዝቢ “ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምምላኽ ካባና ይርሓቕ። እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአና፥ ዓበይቲ ተኣምራት ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መንገድን ኣብቶም ብማእኸሎም ዝሓለፍና ዅሎም ኣህዛብንውን ዝሓለወና፥ ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩሞ። ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምን ነቶም ኣብዛ ምድሪ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ካብ ቅድሜና ዝሰጐጎም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እሞ፥ ንሕናውን ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” ኢሎም መለሱ። ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፦ “እግዚኣብሄር ቅዱስ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ በደልኩምን ሓጢኣትኩምን ኣይምሕረኩምን እዩ። ንእግዚኣብሄር ሓዲግኩም ንባዕዳን ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩም፥ ንሱ ቕድም እኳ ፅቡቕ እንተ ገበረልኩም፥ ተመሊሱ ኽቐፅዐኩምን ከጥፍአኩምን እዩ” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ “ኣይኸውንን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” በልዎ። ኢያሱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኸም ዝሓረኹም ባዕልኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ መሰኻኽር ኢና” በሉ። “እምበኣር ሕዝስ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣወግድዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ።” እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እነምልኽ፥ ንቓሉውን ክንእዘዝ ኢና” በልዎ። ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቶም ህዝቢ ቓል ኪዳን ኣተወ፤ ሕግን ፍርድን ከዓ ኣብ ሴኬም ኣቖመሎም። ኢያሱ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ፀሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ዳዕሮ ኣቖሞ። ኢያሱ፥ ነቶም ኵሎም እቶም ህዝቢ “እንሆ፥ እዝ እምኒ እዙይ ነቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበና ዅሉ ቓል ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ምስክር ክኸውን እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣምላኽኩም እንተ ኸሓድኩምዎ ንሱ ምስክር ክኸውን እዩ” በሎም። ሽዑ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ነናብ ርስቶም ሰደዶም። ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ፥ ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ኣብ ወሰን ርስቱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብታ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ ዘላ ኣብ ተምናሴራ ድማ ቐበርዎ። ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዅሉ ዘመን ኢያሱ ንእግዚኣብሄር የገልግሉ ነበሩ። ከምኡውን ብዅሉ ዘመን እቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ግብሪ ዝፈልጡ ዓበይቲ፥ ንእግዚኣብሄር የምልኽዎ ነበሩ። እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዝተማልእዎ ኣዕፅምቲ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቅርሺ [ብሩር] ዝዓደጋ ግራት፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ኾነቶም። ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፥ ኣብታ ኣብ ዝባን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ ዝተውሃበት ከተማ፥ ኣብ ገባዖን ከዓ ቐበርዎ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪ ሞት ኢያሱ ደቂ እስራኤል “ምስ ከነዓናውያን ንምውጋእ ካባና ኣየናይ ነገድ ቅድም ይደይብ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ነገድ ይሁዳ ይደይብ፤ እንሆ፥ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ ኣለኹ” በለ። ደቂ ይሁዳ ኸዓ ንደቂ ስምኦን ኣሕዋቶም፥ “ምስ ከነዓናውያን ክንዋጋእስ፥ ናብቲ ብፅሒትና ንዑናይ ምሳና ኺዱ፤ ንሕና ኸዓ ናብቲ ብፅሒትኩም ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” በልዎም። ደቂ ስምኦን ድማ ምስኣቶም ከዱ። ደቂ ይሁዳ ድማ ደዪቦም ተዋግኡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ካብኣቶም ድማ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ። ንኣዶኒቤዜቅ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፤ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ከዓ ሰዓርዎም። ኣዶኒቤዜቅ ድማ ሃደመ፤ ንሳቶም ድማ ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፤ ዓባይቶ ኣእዳዉን ኣእጋሩንውን ቈረፅዎ። ኣዶኒቤዜቅ ድማ፦ “ዓባይቶ ኣእዳዎምን ዓባይቶ ኣእጋሮምን ዝተቘርፁ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ ማእደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፤ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ” በለ። ደቂ ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብኣውን ሞተ። ደቂ ይሁዳ ድማ ንኢየሩሳሌም ተዋጊኦም ሓዝዋ። ንህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣባርዕዋ። ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ደቡብን ኣብ ቈላን ዝነብሩ ከነዓናውያን ክዋግኡ ወረዱ። ድሕሪዙይ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዝነብሩ ከነዓናውያን ከዱ። ኬብሮን ቀደም ቂርያት ኣርባቅ ትብሃል ነበረት። ንሴሲን ንኣኪመንን ንተላሜንን ድማ ቐተሉ። ካብኡ ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ኽወግኡ ኸዱ። ዳቤር ቀደም ቂርያትሴፍር ትበሃል ነበረት። ካሌብ ድማ “ንቂርያትሴፍር ተዋጊኡ ዝሓዛ፥ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ” በለ። ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ ከዓ ሓዛ። ካሌብ ድማ ዓክሳ ጓሉ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። ንሳ ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ። ንሳ ኸዓ ኻብ ኣድጊ ወረደት። ካሌብ ድማ “እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ?” በላ። ንሳ ኸዓ “በረኸት ሃበኒ፤ ኣብ ደቡብ ዘሎ ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ካሌብ ድማ፥ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ። እቶም ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብታ ተምሪ ዘለዋ ኸተማ ተልዒሎም ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ ምድረ በዳ ይሁዳ ደየቡ። ኣብኡ ኸዓ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ። ብድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስ ኣሕዋቶም ደቂ ስምኦን ከዱ፤ ነቶም ኣብ ፅፋት ዝነበሩ ከነዓናውያን ተዋግእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ወቂዖም ኣጥፍእዋ። በዙይ ከዓ ሔርማ ተብሃለት። ከምኡውን ደቂ ይሁዳ ንጋዛ ምስ ከባቢኣ፥ ንኣስቀሎና ምስ ከባቢኣ፥ ንኣቃሮን ምስ ከባቢኣ ሓዝወን። እግዚኣብሄር ምስ ደቂ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ኣብ ኰረብታታት ዝነበሩ ኣልቀቕዎም፤ ነቶም ኣብ ለሰ ዝቕመጡ ዝነበሩ ግና፥ ሰረገላታት ሓፂን ስለ ዝነበሮም፥ ከልቅቕዎም ኣይከኣሉን። ንካሌብ ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ ንኬብሮን ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ ካብኣ ኣልቀቖም። ግና ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኢያቡሳውያን ደቂ ብንያም ኣየልቀቕዎምን። እቶም ኢያቡሳውያን ከዓ ኽሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ኣለዉ። ቤት ደቂ ዮሴፍ ከዓ ናብ ቤቴል ደየቡ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኣቶም ነበረ። ቤት ዮሴፍ ንቤቴል ዝስልሉ ለኣኹ። እታ ኸተማ ቐደም ሎዛ ትብሃል ነበረት። እቶም ሰለልቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ እንትወፅእ ሪኦም፥ “በይዛኻ፥ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፥ ሰናይ ክንገብረልካ ኢና” በልዎ። መእተዊ እታ ኸተማ ኸዓ ኣርኣዮም፤ ነቶም ህዝቢ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ክኸዱ ሓደግዎም። እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ኬጢያውያን ከይዱ ኸተማ ኣጣየሸ፤ ሎዛ ኢሉ ድማ ሰመያ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ሎዛ ትበሃል ኣላ። ደቂ ምናሴ ነቶም ኣብ ከተማታት ቤትሳንን ኣብ ከባቢኣን፥ ታዓናቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ዶርን ኣብ ከባቢኣን፥ ይብልዓምን ኣብ ከባቢኣን፥ መጊዶንን ኣብ ከባቢኣን፥ ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን። ከነዓናውያን ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኽነብሩ ቘረፁ። ደቂ እስራኤል ምስ በርትዑ ድማ ነቶም ከነዓናውያን ኣገበርዎም፤ ካብታ ሃገር ግና ኣይሰጐጕዎምን። ደቂ ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዝነብሩ ከነዓናውያን ካብታ ኸተማ ኣየውፅእዎምን፤ እቶም ከነዓናውያንውን ኣብ ማእኸሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ። ከምኡ ድማ ደቂ ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂድሮንን ኣብ ነህሎልን ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ ከነዓናውያን ኣብ ማእኸሎም ተቐመጡ፤ ገባራቶም ድማ ኮኑ። ደቂ ኣሴርውን ነቶም ኣብ ዓኮንን ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሒልባንን ኣብ ኣፌቅን ኣብ ረዓብን ይነብሩ ንዝነበሩ ኣየውፅእዎምን። ስለ ዘይሰጐጕዎም ከዓ፥ ኣሴራውያን ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያን ተቐመጡ። ከምኡውን ደቂ ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤትሳምስን ኣብ ቤትዓናትን ንዝነብሩ ሰባት ኣየውፅእዎምን፤ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያን ደኣ ተቐመጡ እምበር። እቶም ኣብ ቤት ሳሚስን ኣብ ቤት ዓናትን ዝነብሩ ግና ገባራቶም ኮኑ። እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ኰረብታታት ከድሐርሕሩ ኣሳጐጕዎም፤ ናብ ለሰ ኸይወርዱውን ከልከልዎም። ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሓሬስን ኣብ ኤሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ክቕመጡ ቘረፁ፤ ግና ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶም፤ ኣገበረቶምውን። ወሰን ኣሞራውያን ከዓ ኻብ ዓቐበት ዓቅራቢም፥ ካብቲ ጭንጫ ጀሚሩ ኽሳዕ ላዕሊ ነበረ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ጌልገላ ናብ ቦኪም ደዪቡ ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ናብታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸዓ ኣእተኹኹም። ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ኺዳነይ ንዘለኣለም ኣየፍርሶን እየ። ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኺዳን ኣይትእተዉ፤ መሰውኢታቶምውን ኣፍርሱ፥ ኢለ ኣዚዘኩም ነይረ። ንስኻትኩም ግና ንቓለይ ኣይሰማዕኹምዎን፤ ስለ ምንታይ ኢኹም እዙይ ዝገበርኩም? ሕዚ ኸዓ እብለኩም ኣለኹ፤ ካብ ቅድሜኹም ኣየውፅኦምን እየ፤ ከጨንቑኹም እዮም፤ ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ክኾኑኹም እዮም በልኩ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዅሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም በኸዩ። ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነዎም፥ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኽወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ። ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዘመን ኢያሱ ንእግዚኣብሄር የገልግሉ ነበሩ። ከምኡውን ብዅሉ ዘመን እቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓብዪ ግብሪ ዝፈልጡ ዓበይቲ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምለኽዎ። ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ኣብታ ወሰን ርስቱ፥ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ፥ ኣብ ቲምናት ሔረስ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ድማ ቐበርዎ። ኵሉ እቲ ትውልዲ እቱይ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ። ብድሕሪኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ትውልዲ ተልዓለ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ነቶም በዓሊም ዝበሃሉ ኣማልኽቲ እውን ኣምለኹ። ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም ንኣምላኽ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ። ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ኣህዛብ ከዱ፤ ንኣኣቶምውን ሰገዱሎም። በዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ። ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሓዲጎም በዓልን ኣስታሮትን ተብሂሎም ንዝፅውዑ ኣማልኽቲ ሰገዱ። ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ዝመሓሎን፥ ናብ ኵሉ ዝወፅዎ ኢድ እግዚኣብሄር ትኸፍኦም ነበረት፤ ብዙሕ ኸዓ ተጨነቑ። ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ዝማርኽዎም ዘድሕንዎም መራሕቲ ኣተስአሎም። ንሳቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ተኸቲሎም ኣመንዘሩን ሰገዱሎምውን፤ ነቶም መራሕቶም ከዓ ኣይሰምዕዎምን። ኣቦታቶም ይኸድዎ ኻብ ዝነበሩ መንገዲ ቐልጢፎም ረሓቑ፤ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝተኣዘዙ፥ ከምኣቶም ኣይገበሩን። እቶም ፀላእቶም ምስ ገፍዕዎምን ምስ ኣሳቐይዎምን ክቝዝሙ እንተለዉ እግዚኣብሄር ሰሚዑ ራህርሀሎም እሞ መራሕቲ ኣተስአሎም፤ እግዚኣብሄር በቲ መራሒ ገይሩ ብዅሉ ዘመን እቲ መራሒ ኻብ ኢድ ፀላእቶም የድሕኖም ነበረ። እቲ መራሒ ምስ ሞተ ግና፥ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣኣቶምውን ብምምላኾምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ በደሉ፤ ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መንገዶምን ኣይተመለሱን። ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፥ ንኣይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑኒ፥ ካብቶም ኢያሱ ኽመውት እንተሎ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ህዝብታት ደጊምስ ሓደ እኳ ኣይሰጕጕን እየ። ኣነ ድማ ንእስራኤል፥ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሓለውዎ፥ ብመንገደይ ብምኻድ ዝሕልዉ ወይ ዘይሕልዉ እንተ ኾይኖም በዙይ ክፍትኖም እየ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብታ ምድሪ ኽነብሩ ሓደጎም፤ ናብ ኢድ ኢያሱውን ኣሕሊፉ ኣይሃቦምን። ነቶም ምስ ከነዓናውያን ዝተገብረ ውግእ ዘይፈለጡ ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ ኽፍትኖም ዘትረፎም ህዝብታት እዚኣቶም እዮም፦ እዙይ ነቶም ትውልዲ ደቂ እስራኤል፥ ብፍላይ ነቶም ቀደም ውግእ ዘይፈለጡ ዅሎም፥ ምውጋእ ምእንቲ ኽምህሮም ኢሉ ዝገበሮ ጥራሕ እዩ። ሓሙሽቲኦም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ እምባታት ሊባኖስ፥ ኣብ እምባ በዓል ሄርሞን ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ኤዋውያን። እቲ ብሙሴ ኣቢሉ ነቦታቶም ዝኣዘዞም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝፍፅሙ እንተ ኾይኖም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ደቂ እስራኤል ክፍተኑሎም እዚኣቶም ተረፉ። ደቂ እስራኤል ኣብ ማእኸል ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ተቐመጡ። ኣጓላቶም ከዓ ኣንስቲ ክኾናኦም ወሰዱ፤ ንሳቶምውን ኣጓላቶም ነወዳቶም ሃቡ፤ ንኣማልኽቶምውን ኣምለኹ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ዝኾነ ነገር ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ ነቶም በዓሊምን ኣስታሮትን ዝበሃሉ ጣዖታት ኣምለኹ። ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ እሞ፥ ናብ ኢድ ኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ እስራኤል ድማ ንኵሰርሰቴም ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ። ግና ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ዘድሕኖም መድሓኒ፥ ንጎቶንያል ኣተስአሎም፤ ንሱ ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ ነበረ። መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ኸዓ ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ናብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱውን ንኵሰርሰቴም ሰዓረቶ። እታ ምድሪ እውን ኣርብዓ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት። ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ ከዓ ሞተ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበሩ ኸዓ፥ ንዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ። ንደቂ ኣሞንን ኣማሌቅን ናብኡ ኣኽተቶም፤ ከይዱውን ንደቂ እስራኤል ሰዓሮም፤ ንኸተማ ተምሪውን ደቂ እስራኤል ድማ ንዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ። ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ደጊሞም ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንናዖድ ወዲ ጌራ፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝኾነ ኣባግራይ ሰብኣይ፥ መድሓኒ ኣተስአሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ብእኡ ገይሮም ናብ ዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ግብሪ ሰደዱ። ሽዑ ናዖድ ክልተ ዝኣፋ፥ እመት ዝምንዋሓ ሰይፊ ኣዳለወ፤ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሰለፉ ገበሮ። እቲ ግብሪ ንኤግሎን፥ ነቲ የመና ረጒድ ዝነበረ ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ። ነቲ ግብሪ ምስ ኣቕረበ፥ ነቶም ግብሪ ፆይሮም ዝነበሩ ሰባት ኣፋነዎም። ናዖድ ግና ኻብታ ኣብ ጌልገላ ዘላ ትኹላት ኣእማን ዘለውዋ ስፍራ ተመሊሱ “ኦ ንጉስ! ዝነግረካ ምስጢር ኣለኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ስቕ በል” በለ። እቶም ምስ ንጉስ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ከዓ ኻብኡ ወፁ። ናዖድውን ናብኡ ቐረበ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ሰገነት ንበይኑ ተቐሚጡ ነበረ። ናዖድ ድማ “ንኣኻ ዝነግረካ ናይ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ኣለኒ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ ኻብ ዙፋኑ ተስአ። ናዖድውን ፀጋመይቲ ኢዱ ሰዲዱ ነታ ሰይፊ ኻብ የማነይቲ ሰለፉ መዚዙ ናብ ከብዱ ሸኸለሉ። እታ ሰይፊ ምስ ለዓታ ኣብ ከብዱ ኣተወት፤ ብዝባኑ ኸዓ ወፀት፤ ስብሒ ስለ ዝኸደና ኸዓ ኻብ ከብዱ ኣየውፅኣን። ሽዑ ናዖድ ናብቲ ሰገነት ወፀ፤ ነቲ ማዕፆ ሰገነት ድማ ንድሕሪት ዓፅዩ ሸጐሮ። ናዖድ ምስ ከደ፥ እቶም ሓሻኽሩ መፁ፤ እንሆ ኸዓ መዓፁ እቲ ሰገነት ተዓፅዩ ረአዩ፤ “ምናልባሽ ኣብ ሰገነት ናብ ቤት ንፅህና ኣትዩ ይኸውን” በሉ። ክሳዕ ዝሓፍሩውን የመና ተፀበዩ። ነቲ ማዕፆ ሰገነት ከም ዘይኸፈቶ ምስ ረአዩ፥ መፍትሕ ወሲዶም ከፈትዎ፤ እንሆ ድማ፥ ጐይታኣቶም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኸብዎ። ናዖድ ግና ኽፅበዩ እንተለዉ ሃደመ፤ ናብ ማዕዶ ነቶም ዝተተኸሉ ኣእማን ሓሊፉ ናብ ዔይሮታም ኣቢሉ ድማ ኣምለጠ። ናብ ዓዱ ምስ ኣተወ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኮይኑ መለኸት ነፍሐ፤ ደቂ እስራኤል ድማ ናብኡ መፁ። መሪሕዎም ከዓ ኻብቲ ዀረብታታት ወረደ፤ ንሳቶምውን ደድሕሪኡ ሰዓቡ። ናዖድ ድማ “እግዚኣብሄር ንሞኣባውያን ፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ሰዓቡኒ” በሎም። ተኸቲሎምዎ ኸዓ ወረዱ፤ ነቲ ናብ ሞኣብ ዘሳግር፥ መሳገሪ ዮርዳኖስውን ሓዝዎ፤ ሓደ ሰብ ከም ዘይሓልፍ ድማ ገበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣኽሉ ምሩፃት ጀጋኑ ሞኣባውያን ቀተሉ። ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ኢዶም ኣየምለጠን። በታ መዓልቲ እቲኣ ሞኣብ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረደት። እታ ሃገር ከዓ ሰማንያ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት። ብድሕሪኡ ድማ ሰሜጋር ወዲ ዓናት ተልዓለ፤ ንሱ መውግኢ ብዕራይ ናዖድ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢድ እቲ ኣብ ሓፆር ነጊሱ ዝነበረ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ኣሕሊፉ ሃቦም። ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ሲሳራ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ኣሪሶት ኣህዛብ ዝቕመጥ ነበረ። ኢያቢስ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓፂን ነበሮ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራ ዓመት ብሓይሊ ገዝኦም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። ሽዑ ዲቦራ ነቢዪት ሰበይቲ ለፊዶት ኣብ እስራኤል ትፈርድ ነበረት። ንሳ ኸዓ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤቴልን፥ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዲቦራ ዝበሃል ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ይድይቡ ነበሩ። ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም፥ ካብ ቃዴስ ካብ ምድሪ ንፍታሌም፥ ብልኡኽ ፀዊዓ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኪድ! ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ሒዝካ ናብ እምባ ታቦር ተጕዓዝ። ኣነ ኸዓ ንሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኢያቢስ ምስ ሰረገላታቱን ምስ ሰራዊቱን ናባኻ ናብ ሩባ ቂሶን ስሒበ ኸምፅኦ እየ፤ ናብ ኢድካ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ ኢሉዶ ኣይኣዘዘካን?’ ” በለቶ። ባርቅ ድማ “ምሳይ እንተ ኼድኪ፥ ክኸይድ እየ፤ ምሳይ እንተ ዘይኬድኪ ግና ኣይከይድን እየ” በላ። ንሳ ኸዓ “ብሓቂ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፤ ግና እግዚኣብሄር ንሲሳራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኣሕሊፉ ኽህቦ እዩ እሞ፥ በዝ እትኸዶ መንገዲ ንኣኻ ኽብረት ኣይኸውንን” በለቶ። ዲቦራ ድማ ተሲኣ፥ ምስ ባርቅ ናብ ቃዴስ ከደት። ሽዑ ባርቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ፀውዖም፤ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ከዓ ደድሕሪኡ ደየቡ፤ ዲቦራውን ምስኡ ደየበት። ሔቤር እቲ ቄናዊ ግና ኻብቶም ቄናውያን፥ ደቂ ኦባብ ሓሙ ሙሴ ተፈልዩ፤ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፥ ኣብ ፃዕናይም ክሳዕ ዘሎ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ኦም ድንኳኑ ተኸለ። ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም ናብ እምባ ታቦር ከም ዝደየበ ንሲሳራ ነገርዎ። ሽዑ ሲሳራ፥ ንዅለን እተን ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላታት ሓፂንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ትሕዝቶ ኣህዛብ ካብ ዝኾነት ካብ ኣሪሶት ናብ ሩባ ቂሶን ኣኽተተ። ዲቦራ ድማ ንባርቅ፥ “እታ እግዚኣብሄር ንሲሳራ ናብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ ተስእ። እግዚኣብሄር ቀቅድሜኻ ወፂኡ ኣሎ” በለቶ። ሽዑ ባርቅ፥ ምስቶም ዓሰርተ ሽሕ ሰባት፥ ካብ እምባ ታቦር ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ንሲሳራን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባርቅ ብስሕለት ሰይፊ ኣሸበሮም። ሲሳራ ኸዓ ኻብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሃደመ። ባርቅ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ሰራዊትን ደድሕሪኣቶም ስዒቡ ኽሳዕ ትሕዝቶ ኣህዛብ ዝኾነት ኣሪሶት ኣሳጐጎም። ኵሉ ሰራዊት ሲሳራ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ወደቐ፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ሲሳራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥ ሃደመ። እዙይ ከዓ ኣብ መንጎ ኢያቢስ ንጉስ ሓፆርን ቤትሔቤር ቄናውን ሰላም ስለ ዝነበረ እዩ። ኢያዔል ድማ ንሲሳራ ኽትቅበሎ ወፂኣ፥ “ጐይታይ! እቶ፥ ኣይትፍራሕ ናባይ እቶ” በለቶ። ናብኣ ናብ ድንኳና ድማ ኣተወ፤ ንሳ ኸዓ ብመጐናፀፍያኣ ሸፈነቶ። ንሱ ድማ “ፀሚአ ኣለኹ እሞ በይዛኺ ዝሰትዮ ቝሩብ ማይ ሃብኒ” በላ። ንሳ ኸዓ ሓርቢ ፈቲሓ ፀባ ኣስተየቶ፤ ሸፈነቶውን። ንሱ ድማ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ደው በሊ፤ ሰብ መፂኡ ‘ኣብዙይዶ ሰብ ኣሎ?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኪ፥ የለን በሊ” በላ። ንሱ ድማ ደኺሙ ኸቢድ ድቃስ ወሲድዎ ነበረ። ሽዑ ኢያዔል ሰበይቲ ሔቤር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ መዶሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ፥ ቀስ ኢላ ናብኡ ቐረበት፤ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ፤ ንሱ ከዓ ደቂሱ ነበረሞ፥ እቲ ሽኻል ክሳዕ ምድሪ ኣተወ፤ ንሱውን ሞተ። እንሆ ድማ፥ ባርቅ ንሲሳራ ኸሳጕጎ እንተሎ፥ ኢያዔል ክትቅበሎ ወፂኣ “እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ከርእየካ ነዓ” በለቶ። ምስ ኣተወ ድማ ሲሳራ ሞይቱ ተዘርጊሑ ረኸቦ፤ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንኢያቢስ፥ ንጉስ ከነዓን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረዶ። ንኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ክሳዕ ዘጥፍእዎ፥ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን እናበርትዐት ከደት። በታ መዓልቲ እቲኣ ዲቦራን ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤምን እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩ፦ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ። ንኣምላኽ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፥ ክቕነየሉ እየ። ደመናታት ድማ ማዮም ኣንጠብጠቡ። እዝ ሲና ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ። ሓለፍቲ መንገዲ ድማ ብጥውይዋይ መንገዲ ኸዱ። ሓያላት ኣብ እስራኤል ወሓዱ፤ ሃለቑውን። ኲናት ኣይተርኣየን። ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ። ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲውን ብዛዕባኡ ተዛረቡ። ብድሕሪኡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገታት ወረዱ። ኣታ ወዲ ኣቢጊኤም፥ ምሩኻትካ ማርኽ። እግዚኣብሄርውን ምእንታይ ኣብ ልዕሊ ሓያላት ወረደ። ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዝሓዙ ወረዱ። ብዙሕ ምምንታእ ልቢ ነበረ። ዓብዪ ናይ ልቢ ምርምር ነበረ። ኣብ ወደባቱ ኸዓ ዓረፈ። ንፍታሌምውን ኣብቲ በረኽቲ በረኻ ኸምኡ ገበረ። ግና ምርኮ ብሩር ኣይወሰዱን። ብኣካይዳኦምውን ምስ ሲሳራ ተዋግኡ። ኦ ነፍሰይ! ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ። ሸኰና እቶም ኣፍራስ ከዓ ደርጓዕጓዕ በለ። ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት አዐሪኹም ርገምዎም’ በለ። ኣብ ውሽጢ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን። ርግኦ ኣቕረበትሉ። ጕንዲ እዝኑ ኣንኲላ ጐድአቶ። ኣብኡ ወዲቑ ሞተ። ስለ ምንታይከ ድምፂ መንኰራዅር ሰረገላኡ ደሓረ?’ በለት። ንሳውን ንርእሳ ኸምዙይ ኢላ መለሰት፤ ንኽሳድ ዝኸውን ብኽልተ ወገኑ ዝተጠልፈ ኽዳውንቲዶ ኣይረኸቡን?’ ብድሕሪኡ እታ ሃገር ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ዓረፈት። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ምድያማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ እስራኤል መግዛእቲ ምድያማውያን ስለ ዝበርትዖም፥ ኣብቲ ኣብ እምባታት ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን ኣብ እምባታትን መሕብኢ ገበሩ። ደቂ እስራኤል ዘርኢ ምስ ዘርኡ፥ ምድያማውያን ምስ ኣማሌቃውያንን ምስቶም ደቂ ምብራቕን ኮይኖም ይመፅዎም ነበሩ። ኣብኣቶም ሰፊሮም ከዓ ኽሳዕ እቲ ንጋዛ ዘእቱ፥ ፍረ እታ ምድሪ የጥፍኡ ነበሩ፤ ምግቢ ኾነ በጊዕ፥ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ኣብ እስራኤል ኣይሓድጉን ነበሩ። ንሳቶም ምስ ከፍቶምን ድንኳናቶምን ይድይቡ ነበሩ፤ ምብዛሖምውን ከም ኣንበጣ ነበረ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቍፅሪ ዘይብሎም ነበሩ እሞ፥ ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ይኣትዉ ነበሩ። ህዝቢ እስራኤል ብምድያማውያን ብዙሕ ተሸገሩ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ጠርዑ። ደቂ እስራኤል ብሰንኪ ምድያማውያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ጠርዑ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነቢይ ሰደደሎም። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣነ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብቲ ዝነበርኩምዎ ባርነት ኣናገፍኩኹም፥ ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ገፋዕትኹምን ኣድሓንኩኹም፤ ንኣኣቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐውን ምድሮም ሃብኩኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ሃገሮም ወሪስኩምዎም ዘለኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርሕዎም ኢለኩም ነይረ፤ ንስኻትኩም ግና ቓለይ ኣይሰማዕኹምን’ ” በሎም። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መፂኡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ዖፍራ ዘላ ናይ ኢዮኣስ ኣቢዔዝራዊ፥ ዓባይ ኦም ተቐመጠ። ወዱ ጌዴዎን ድማ ኻብ ምድያማውያን ክሓብእ፥ ስርናይ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ። ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተርኣዮ፤ “ኣታ ፅኑዕ ሓያል ሰብ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ” በሎ። ጌዴዎን ድማ “ኣየ ጐይታ! እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዝህሉስ እዝ ዅሉ ስለ ምንታይ ረኸበና? እቲ ኣቦታትና ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፂኡና’ እናበሉ ዝነገሩና ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ? ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፥ ናብ ኢድ ምድያማውያን እኳ እንሆ ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ” በሎ። ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልፅ ኢሉ “እንሆ ኣነ እልእኸካ ኣለኹ፤ በቲ ዘለካ ሓይሊ ድማ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ምድያማውያን ኣድሕኖም” በሎ። ንሱ ድማ “ጐይታይ! እንሆ ዓሌተይ ካብ ነገድ ምናሴ እቲ ዝሓመቐ እዩ፤ ኣነውን ካብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ፤ ንእስራኤል ደኣ ኸመይ ገይረ ኸድሕኖም እኽእል?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፥ ንምድያማውያን ከም ንሓደ ሰብ ጌርካ ኽትስዕሮም ኢኻ” በሎ። ጌዴዎን ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ እትዛረበኒ ዘለኻ ንስኻ ኸም ዝኾንካ ምልክት ኣርእየኒ በሎ፤ ናባኻ ተመሊሰ መስዋእተይ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካ፥ በይዛኻ፥ ካብዙይ ኣይትኺድ” በሎ። ንሱ ድማ “ክሳዕ እትምለስ፥ ክፀንሐካ እየ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ሓሪዱ ኣዳለወ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ወሲዱውን ቅጫ ሰንከተ፤ ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፥ ነቲ መረቕውን ኣብ ቍራዕ ገበሮ። ኣምፂኡ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ዓባይ ኦም ኣቕረበሉ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዝ ኰዅሒ፥ እዙይ ኣንብሮ፤ ነቲ መረቕውን ኣብ ልዕሊኡ ኣፍስሶ” በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ። ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ነኽኦ እሞ ኻብቲ ኰዅሒ ሓዊ ወፂኡ፥ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ኣዒንቱ ተሰወረ። ሽዑ ጌዴዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። ጌዴዎን ከዓ ደንጊፁ፥ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ንመልኣኽካ ገፅ ንገፅ ሪአዮ እየሞ ወይለይ” በለ። እግዚኣብሄር ድማ “ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ ኣይዞኻ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰላም እዩ” ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ። በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝገበረ ናይ ኣቦኻ ኻልኣይ ዝራብዕ ውሰድ፥ ነቲ ኣቦኻ ንጣዖት በዓል ዝስውአሉ መሰውኢ ኣፍርሶ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ናይ ጣዖት ኣስታሮት ምስሊ ኸዓ ቝረፆ። ኣብ ልዕሊ እዝ ዕርዲ እዙይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፤ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ከዓ በቲ እትቘርፆ ዕንፀይቲ ናይ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ጌርካ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርብ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ካብ ኣገልገልቱ ዓሰርተ ሰባት ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ግና ብመዓልቲ ኸይገብሮ፥ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሐ፥ ብለይቲ ገበሮ። ንፅባሒቱ ሰባት እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ እቲ መሰውኢ ጣዖት በዓል ፈሪሱ፥ እቲ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ኸዓ ተቘሪፁ፥ እቲ ኻልኣይ ዝራብዕውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ረኸብዎ። ሓቲቶምን መርሚሮምን ድማ “እዝ ነገር እዙይ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ ዝገበሮ” በሉ። ናይታ ኸተማ ሰባት ንዮኣስ “ወድኻ መሰውኢ ጣዖት በዓል ኣፍሪሱ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ቘሪፁ እዩ እሞ፥ ክንቀትሎ ኣውፅኣዮ” በልዎ። ኢዮኣስ ከዓ ነቶም ክቃወምዎ ዝተስኡ ዅሎም “ንበዓልዶ ኽትማጐቱሉ ኢኹም፥ ወይ ከዓ ኽተድሕንዎዶ ደሊኹም? እቲ ኽማጐተሉ ዝደሊ፥ ምድሪ እንተይወግሐት ይቀተል፤ ንሱ ኣምላኽ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” በሎም። ስለዙይ ኢዮኣስ በታ መዓልቲ እቲኣ “በዓል፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” ኢሉ ንጌዴዎን “ይሩበዓል” ኢሉ ሰመዮ። ሽዑ ዅሎም ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተኣከቡ፤ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ሰፈሩ። መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጌዴዎን ወረደ። ንሱ መለኸት ነፊሑ ንኣቤዔዝራውያን ፀውዖም፤ ተኣኪቦም ከዓ ሰዓብዎ። ናብ ኵሉ ነገድ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ከቲቶም ሰዓብዎ። ናብ ነገዳት ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ክቕበልዎም ወፁ። ጌዴዎን ድማ ንእግዚኣብሄር “ንእስራኤል ብኢደይ ክተድሕኖም እንተ ዄንካ፥ እንሆ እምበኣር፥ ኣነ ነዝ ቝሩፅ ፀምሪ እዙይ ኣብዝ ዓውዲ ኣንብሮ ኣለኹ። ኵላ ምድሪ ንቕፅቲ፥ ኣብዝ ፀምሪ እዙይ ጥራሕ ከዓ ኣውሊ እንተ ኾነ፥ ሽዑ ኸምቲ ዝበልካዮ፥ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ” በሎ። ከምኡ ድማ ኾነ። ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ነቲ ፀምሪ ፀሞቖ፤ ካብቲ ፀምሪ ኸዓ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውፅአ። ጌዴዎን ድማ ንኣምላኽ “ሓደ ሻዕ ክዛረብ፥ ኣይትቈጥዐኒ፤ በቲ ፀምሪ ሓደሻዕ ክፍትን ፍቐደለይ። እምበኣርከስ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ይኹን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ድማ ኣውሊ ይኹን” በሎ። ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ኮነ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግና ኣውሊ ኾነ። ንፅባሒቱ ድማ ይሩበዓል፥ ዝተብሃለ ጌዴዎንን፥ እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከዓ ሰፈሩ። ሰፈር ምድያም ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኰረብታ ሞሬ፥ ኣብቲ ጥቓ ለሰ ነበረ። እግዚኣብሄር ከዓ ንጌዴዎን “ኣነ ንምድያም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ እንተ ኾነ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ህዝቢ እምብዛ ስለ ዝበዝሑ ‘ብሓይልና ኢና ዝደሓንና’ ኢሎም ክዕበዩ እዮም። እምበኣር ሕዚ ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ፍርሓት ዝተልዓለ ዅሉ ራዕዲ ዝሓዞ ኻብ እምባ ገለዓድ ይመለስ’ ኢልካ ኣብ እዝኖም ኣውጀሎም” በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመለሱ፤ ዓሰርተ ሽሕ ከዓ ተረፉ። እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “እዝ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ፤ ናብ ማይ ኣውርዶም እሞ፥ ኣብኡ ኽፈትኖም እየ። እቲ ኣነ ‘እዙይ ምሳኻ ይኺድ’ ዝብለካ፥ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፥ እቲ ‘ምሳኻ ኣይኺድ’ ዝብለካ ዅሉ ኸዓ፥ ምሳኻ ኣይኺድ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ብመልሓሱ ማይ ዝሰቲ ንበይኑ ፍለዮ፤ ነቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ዝሰቲውን ከምኡ ንበይኑ ፍለዮ” በሎ። ኵሎም እቶም ብኢዶም ሓፊኖም ማይ ዝሰተዩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ኮኑ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ማይ ክሰትዩ፥ ብብርኮም ተምበርከኹ። እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “በዞም ብኢዶም ሓፊኖም ዝሰተዩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ከድሕነኩም እየ፤ ንምድያማውያን ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ነፍሲ ወከፍ ነናብ ዓዱ ይመለስ” በሎ። ሰፈር ምድያማውያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ። በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “ንምድያም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ተሲእኻ ናብቲ ሰፈሮም ውረድ። ንበይንኻ ምውራድ እንተ ፈሪሕኻ ግና ምስ ፉራ ሓሽከርካ ዄንካ ናብቲ ሰፈር ውረድ። እቲ ዝዛረብዎ ስማዕ፤ ብድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኢድካ ኽትተብዕ እያ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ምስ ሓሽከሩ ፉራ፥ ናብ ጥቓ እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ። ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ብዝሖም ከም ኣንበጣ ዝኾኑ ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከዓ ኽቝፀራ ዘይኽእላ፥ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑፃ ብዙሓት ነበራ። ጌዴዎን ምስ መፀ፥ እንሆ ሓደ ሰብ ንብፃዩ ኸምዙይ እናበለ ሕልሙ ይነግሮ ነበረ፦ “ሕልሚ ሓሊመ፥ እንሆ ኸዓ፥ ሓንቲ ጠረሾ ስገም ናብ ሰፈር ምድያም እናንከራረወት መፂኣ ነቲ ድንኳን ወቕዐት፤ እቲ ድንኳን ድማ ንላዕሊ ኣቢሉ ተገልቢጡ ወደቐ።” እቲ ብፃዩ ድማ “እዙይ ሰይፊ ናይቲ እስራኤላዊ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ፤ ካልእ ኣይኮነን፤ ኣምላኽ ንምድያምን ንዅሉ ሰፈሮምን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሂብዎ እዩ” በሎ። ጌዴዎን፥ እዝ ሕልሚ እዙይን ትርጕሙን ምስ ሰምዐ፥ ሰገደ። ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ “እግዚኣብሄር ንሰፈር ምድያም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂቡኩም እዩ እሞ ተስኡ” በሎም። ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ድማ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም፤ ኣብ ኢድ ኵሎም ከዓ መለኸትን ጥራሑ ሳርማን፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሳርማታትውን ሽግ ሃቦም። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንኣይ ረአዩ፤ ኣነ ዝገብሮ ኸዓ ግበሩ። እንሆ፥ ከዓ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈሮም ምስ በፃሕኹ፥ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ኮይነ መለኸት ምስ ነፋሕኹ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ኵሉ ዙርያ እቲ ሰፈር መለኸታትኩም ንፍሑ ‘ንእግዚኣብሄርን ንጌዴዎንንውን’ በሉ” በሎም። ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፥ ዘብዐኛታት ምስ ተለወጡ ሽዑ ንሽዑ ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰባትን፥ ናብቲ ጥቓ ሰፈር በፅሑ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ሳርማታትውን ሰበርዎ። እቶም ዝተረፉ ኽልተ ኽፍልታት ድማ መለኸቶም ነፍሑ፤ ነቲ ሳርማታትውን ሰበርዎ፤ ኵሎም ከዓ ብፀጋማይ ኢዶም መብራህቲ ሓዙ፤ ምእንቲ ኽነፍሑ፥ ከዓ ብየማነይቲ ኢዶም መለኸት ሓዙ፤ ዓው ኢሎም ድማ “እዙይ ኲናት እግዚኣብሄርን ጌዴዎንን እዩ” በሉ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኣብ ሰስፍራኦም ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ደው በሉ። ሽዑ ዅሎም እቶም ሰራዊት ምድያም እናእወዩ ሃደሙ። እቶም ሰለስተ ሚእቲ ድማ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ሰራዊት ምድያም ንስንሳቶም ብሰይፊ ኸም ዝቃተሉ ገበሮም። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ፀረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤትሺጣ፥ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤል መሖላ ዘላ ጣባት ሃደመ። ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተኣኪቦም ንምድያማውያን ደድሕሪኣቶም ስዒቦም ኣሳጐጕዎም። ሽዑ ዅሎም ሰብ ኤፍሬም ተኣኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ። ንኽልቲኦም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ድማ ማረኽዎም እሞ፥ ንሔሬብ ኣብ ኰዅሒ ሔሬብ ቀተልዎ። ንዜብውን ኣብ መፅመቝ ወይኒ ዜብ ቀተልዎ፤ ንምድያማውያን እውን ኣሳጐጕዎም። ንርእሲ ሔሬብን ዜብን ግና ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ጌዴዎን ኣምፅእዎ። ሰብ ኤፍሬም ድማ “እቲ ምስ ምድያማውያን ክትዋጋእ ኽትከይድ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ዘይፀዋዕኻና? ንምንታይከ ኸምዙይ ገበርካና?” በልዎ። ኣበርቲዖምውን ተፃልእዎ። ንሱ ድማ “እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ምስቲ ናታትኩም ክነፃፀር እንተሎ ኣብ ቍፅሪ ዝኣቱ ኣይኮነን፤ ደሓር ከዓ ኻብ ምህርቲ ወይኒ ኢይዝራኤልስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይሐይሽን? ኣምላኽውን ነቶም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ኣብ ኢድኩም እዩ ኣሕሊፉ ዝሃበኩም፤ ኣነ ድኣ ምስ እዙይ ዝወዳደር እንታይ ሰሪሐ?” ሽዑ እዝ ዘረባዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ቍጥዓኦም ሃድአ። ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባትን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መፁ፤ ተሳገርዎውን። ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ ንፀላእቶም የሳጕጉዎም ነበሩ። ንሰብ ሱኮት ከዓ “ኣነ ደድሕሪ ዛብሄልን ስልማናን፥ ነገስታት ምድያም፥ ስዒበ ኣሳጕጎም ኣለኹ፤ እዞም ዝስዕቡኒ ዘለዉ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፥ በይዛኻትኩም እንጀራ ሃብዎም” በሎም። እቶም ሹመኛታት ሱኮት ግና “ንሰራዊትካ እንጀራ ኽንህቦምስ፥ ኢድ ዛብሄልን ስልማናንዶ ሕዚ ኣብ ኢድካ እየን?” በልዎ። ጌዴዎን ከዓ “እግዚኣብሄር ንዛብሄልን ንስልማናን ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ምስ ሃበኒ፥ ንኣኻትኩም ብእሾዅ በረኻን ብዳንዴርን ክገርፈኩም እየ” በሎም። ካብኡ ጵኒኤል ናብ ዝበሃል ቦታ ደየቡ፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸምኡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብ ጵኒኤል ድማ ኸምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ። ንሱውን ንሰብ ጵኒኤል ከዓ፥ “ብሰላም ምስ ተመለስኩ፥ ነዝ ግንቢ እዙይ ከፍርሶ እየ” በሎም። ዛብሄልን ስልማናን፥ ምስ ሰራዊቶም ኣብ ቀርቀር ነበሩ፤ እቶም ካብ ኵሉ ሰራዊት ሰብ ምብራቕ ዝመፁ ኣስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ተሪፎም ነበሩ። እቶም ወዲቖም ዝነበሩ ድማ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ሰይፊ ዝመዝዙ ሰባት ነበሩ። ጌዴዎን ድማ ብመንገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ዮግበሃን ኣብ ድንኳን ሃዲኦም ናብ ዝነብሩ ሰራዊት ደዪቡ፥ ነቲ ኣብ ሰፈር ዘሎ ሰራዊት ኣዘንጊዑ ወቕዖ። ዛብሄልን ስልማናን ከዓ ሃደሙ፤ ንሱ ግና ደድሕሪኣቶም ሰዓበ፤ ንኽልቲኦም ነገስታት ምድያም፥ ንዛብሄልን ስልማናን ድማ ማረኾም፥ ንዅሉ ሰራዊቶምውን ኣሸበሮ። ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ ካብ ውግእ፥ ብዓቐበት ሔረስ ኣቢሉ ተመለሰ። ካብ ሰብ ሱኮት ንሓደ መንእሰይ ሒዙ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ ስም ናይ ሰብዓን ሸውዓተን ናይ ሱኮት ሹመኛታትን ዓበይቲ ሰባትን ፀሓፈሉ። ናብ ሰብ ሱኮት መፂኡ ድማ “ነቶም ዝደኸሙ ሰብካ እንጀራ ኽንህቦምስ፥ ኢድ ዛብሄልን ኢድ ስልማናን ሕዚ ኣብ ኢድካ ድዩ? ኢልኩም ዘባጨኹምለይስ፥ ዛብሄልን ስልማናን እኒሀዉ” በሎም። ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ሒዙ ንሰብ ሱኮት ብእሾዅ በረኻን ዳንዴርን ገይሩ ገረፎም። ንግንቢ ጵኒኤልውን ኣፍረሶ፤ ንሰብ እታ ኸተማ ኸዓ ቐተሎም። ንሳቶም ከዓ “ከማኻ ዝበሉ ነበሩ፤ ንኣኻውን ይመስሉ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ መልክዖምውን መልክዕ ደቂ ንጉስ ይመስል ነበረ” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸዓ “ኣሕዋተይ ደቂ እኖይ እኮ እዮም ነይሮም፤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ ብህይወት እንተ እትሓድግዎም ኔርኩም ኣይምቐተልኩኹምን ነይረ” በሎም። ንዮቴር በዅሪ ወዱ “ተሲእኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ወዱ ግና ንእሽተይ ነበረ እሞ፥ ስለ ዝፈርሐ ሰይፊ ኣይመዘዘን። ሽዑ ዛብሄልን ስልማናን “ሓይሊ ሰብ ከም ሰብነቱ እዩ እሞ፥ ንስኻ ተሲእኻ ቕተለና” በልዎ። ጌዴዎን ከዓ ተሲኡ ንዛብሄልን ስልማናን ቀተሎም፤ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት ከዓ ወሰደ። ሽዑ ደቂ እስራኤል ንጌዴዎን፥ “ካብ ኢድ ምድያም ኣድሒንካና ኢኻ እሞ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡና” በልዎ። ጌዴዎን ከዓ “ኣነስ ኣይገዝአኩምን፤ ወደይውን ኣይገዝአኩምን፤ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኹም” በሎም። እስማኤላውያን ስለ ዝነበሩ ናይ ወርቂ ኵትሻ ነበሮምሞ፥ ጌዴዎን “ኵልኻትኩም ካብቲ ዝማረኽኩምዎ ኵትሻኹም ንኽትህቡኒ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ብፍቓድና ንህበካ” በልዎ። ነፀላ ድማ ዘርግሑ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ እቲ ዝማረኾ ቐለበታት ናብኡ ደርበየ። ብዘይ እቲ ኣብ ነገስታት ምድያም ዝነበረ ድሪን ኵትሻን ግምጃ ኽዳውንትን፥ ብዘይ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት፥ ጌዴዎን ድማ ንእኡ ኤፉድ ገይሩ፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ኤፍራታ ኣንበሮ። ኵሉ እስራኤል ከዓ ደድሕሪኡ ስዒቡ ኣመንዘረሉ። እዙይ ከዓ ንጌዴዎንን ንቤተሰቡን መፈንጠር ኮነ። ምድያም ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ፤ መሊሶምውን ርእሶም ኣየልዓሉን። እታ ሃገር ድማ ብዘመን ጌዴዎን ኣርብዓ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት። ይሩበዓል ኢዮኣስ ከዓ ኸይዱ ኣብ ገዛኡ ተቐመጠ። ንሱ ድማ፥ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፥ ካብ ሕቈኡ ዝተወለዱ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ ድማ ወዲ ወለደትሉ፤ ስሙ ኸዓ ኣቢሜሌክ ኢሉ ሰመዮ። ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኢዮኣስ ከዓ ተቐበረ። ጌዴዎን ምስ ሞተ፥ ደቂ እስራኤል ተመሊሶም ደድሕሪ በዓሊም ስዒቦምውን ኣመንዘሩ። ንበዓልብሪት ከዓ ኣምላኾም ገበርዎ። ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ዘድሓኖም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይዘከርዎን። ንቤት ይሩበዓል ንጌዴዎን ከምቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ዝኾነ ሞሳ እኳ ኣይመለሱሉን። ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸይዱ፥ ንኣኣቶምን ንዅሎም እቶም ዓሌት ኣቦ እኖኡን ከምዙይ በሎም፦ “በይዛኻትኩም ንዅሎም ሰብ ሴኬም፥ ‘ኣየናይ ይሕሸኩም? ደቂ ጌዴዎን ብሰብዓኦም ክገዝኡኹምዶ ወይ ከዓ ሓደ ሰብኣይ ክገዝአኩም ይሕሸኩም?’ ኢልኩም ጠይቕዎም፤ ኣነ ኸዓ ናይ ስጋኹም ቍራፅ ናይ ዓፅምኹም ፍላፅ ከም ዝኾንኩ ዘክሩ” በሎም። እቶም ኣኮታቱ ኸዓ ዅሉ እዝ ነገርዙይ ብዛዕባኡ ኣብ እዝኒ ዅሎም ሰብ ሴኬም ተናገሩ። ንሳቶምውን “ንሱ ሓውና እዩ” ኢሎም ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ከም ዝዝምብል ገበሩ። ካብ ቤት በዓል በሪትውን ሰብዓ ቕርሺ ብሩር ሃብዎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ዝስዕብዎ ዘይረብሑ ዓመፀኛታት ሰባት ቈፀረሉ፤ ንሳቶምውን ተኸተልዎ። ናብ ገዛ ኣቦኡ ናብ ኤፍራታ መፂኡ ነቶም ደቂ ጌዴዎን ሰብዓ ኣሕዋቱ፥ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ሓረዶም። ኢዮኣታም እቲ ንእሽተይ ወዲ ጌዴዎን ግና፥ ተሓቢኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣምለጠ። ኵሎም ሰብ ሴኬምን ኵሎም ቤት ሚሎንን ተኣከቡ፤ ከይዶም ከዓ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ዝምለኽ ዓብዪ ኦም፥ ኣንገስዎ። ንኢዮኣታም እዙይ ምስ ነገርዎ፥ ናብ ርእሲ እምባ ገሪዛን ከይዱ ደው በለ፤ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ሴኬም፥ እግዚኣብሄር ክሰምዐኩምስ ስምዑኒ። ሓደ መዓልቲ፥ ኣእዋም ኣብ ልዕሊኣቶም ንጉስ ከንግሱ ኸዱ እሞ፥ ነውልዕ፥ ‘ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ። “እቲ ኣውሊዕ ግና ‘ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነግስስ ነቲ እግዚኣብሄርን ሰባትን ዝኸብሩሉ ዘይተይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም። “ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፦ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ። “እቲ በለስ ግና፥ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ክነግስ ኢለስ፥ ነቲ ጥዑምን ፅቡቕን ፍረይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም። “እቶም ኣእዋም ድማ ንወይኒ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ። “እቲ ወይኒ ኸዓ ‘ኣብ ልዕሌኹም ክነግስ ክብልስ፥ እቲ ንእግዚኣብሄርን ንሰባትን ዘሕጕስ ወይነይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም። “ኣብ መወዳእታ ድማ ዅሎም ኣእዋም ንዓሻዅ ቈጥቋጥ፥ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ። “እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ድማ፥ ‘ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኹም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደኣ ደሊኹምስ፥ ኣብ ፅላለይ ኣፅልሉ፥ እንተ ዘይኮነ ድማ ኻብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሓዊ ይውፃእ እሞ ነቲ ፅሕድታት ሊባኖስ የቃፅሎ’ ” ኢዮኣታም ከዓ ቐፂሉ “ብሓቅን ብቕንዕናን ዲኹም ንኣቢሜሌክ ዘንገስኩምዎ? ንይሩበዓልን ንቤተሰቡን ከም ግብሪ ኢዱ ዲኹም ዝፈደኹምዎ? ኣቦይ ምእንታኻትኩም ተዋግአ፤ ካብ ኢድ ምድያማውያን ከድሕነኩምውን ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ንምሃብ ድልዊ ነበረ። ንስኻትኩም ግና ሎሚ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይ ተልዓልኩም። ንብሰብዓኦም ደቁ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተልኩምዎም፤ ሓውኩም ስለ ዝኾነ ኸዓ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ኣገልጋሊት ኣቦይ ኣብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ። እምበኣር በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጌዴዎንን ንገዛኡን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም ንኣቢሜሌክ እንተ ደኣ ኣንጊስኩምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ተሓጐሱ፤ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሓጐስ። እንተ ዘይኮነ ኻብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎንን የቃፅል። ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከዓ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንኣቢሜሌክ የቃፅሎ” በሎም። ኢዮኣታም ከዓ ንሓዉ ኣቢሜሌክ ስለ ዝፈርሐ ካብኡ ሃዲሙ ኸደ፤ ኣብ ብኤር ድማ ተቐመጠ። ኣቢሜሌክ ኣብ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝአ። ኣምላኽ ከዓ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ክፉእ መንፈስ ሰደደ እሞ ንኣቢሜሌክ ከድዕዎ። እዙይ ዝኾነ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ ጌዴዎን ዝተገብረ ግፍዕን ምፍሳስ ደምን ምእንቲ ኽፍደ፥ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ዝደገፍዎ ሰብ ሴኬምን፥ ምእንቲ ኽቕፅዑ እዩ። እቶም ሰብ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ እምባታት ሕቡእ ደጀን ኣንበሩሉ። ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ሰባት ይኸትሩ ነበሩ፤ ነዙይ ድማ ኣቢሜሌክ ሰምዐ። ገዓል ወዲ ኣቤድን ኣሕዋቱን ድማ መፂኦም ናብ ሴኬም ኣተዉ፤ ሰብ ሴኬም ከዓ ኣብ ገዓል እምነት ኣሕደሩ። ናብ ገራሁ ድማ ወፈሩ፤ ወይኖም ቈሪፆም ከዓ ፀመቑ፤ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፤ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፤ ንኣቢሜሌክውን ፀረፍዎ። ገዓል ወዲ ኣቤድ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንሕና ሰብ ሴኬም እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዜቡል ዝበሃል ሹም ዝሕግዞ ወዲ ጌዴዎንዶ ኣይኮነን? ንስኻትኩምስ ንሰብ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ደኣ ተገዝኡ። ንሕና ንኣቢሜሌክ እንታይ ኢልና ንግዝኦ? እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ንኣቢሜሌክ መሳጐጕክዎ ነይረ፤ በለ። ንኣቢሜሌክ ከዓ ‘ሰራዊትካ ኣብዚሕኻ ውፃእ’ በሎ።” ሹም እታ ኸተማ ዜቡል፥ ዘረባ ገዓል ወዲ ኣቤድ ምስ ሰምዐ ተቘጥዐ። ናብ ኣቢሜሌክ ከዓ ብምስጢር ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፦ “ገዓል ወዲ ኣቤድን ኣሕዋቱን እንሆ ናብ ሴኬም ኣትዮም ነዛ ኸተማ ኣብ ልዕሌኻ ኽትዕምፅ የለዓዕሉዋ ኣለዉ። ሕዚ ኸዓ፥ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተሲእኹም፥ ኣብ በረኻ ኣድብዩ። ፅባሕ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኣንጊህኹም ተስኡ እሞ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ኣውድቑላ። እንሆ ኸዓ፥ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ መፁኻ ኢድካ ኸም ዝረኸበት ግበሮም” በሎ። ድሕሪዙይ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብለይቲ ተሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ኾይኖም ኣብ ጥቓ ሴኬም ኣድበዩ። ገዓል ወዲ ኤቤድ ድማ ወፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፤ ኣቢሜሌክ ከዓ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ዘድበየሉ ተስአ። ዜቡል ከዓ “ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዝረአየካ ዘሎ ፅላሎት እምባታት እዩ” በሎ። ገዓል ድማ መሊሱ “እንሆ ኻብ ማእኸል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርዱ ኣለዉ፤ ሓደ ኽፍሊ ኸዓ ብመንገዲ እታ ዓባይ ኦም ጠንቈልቲ ኣቢሉ ይመፅእ ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ዜቡል “እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዝበልካሉ፥ ኣፍካ ሕዚ ደኣ ኣበይ ኣሎ? እዙይ እቲ ዝነዓቕካዮ ህዝቢዶ ኣይኮነን? እምበኣር ሕዚ ወፂእኻ ተዋግኣዮ” በሎ። ገዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወፀ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግአ። ኣቢሜሌክ ግና ኣሳጐጎም እሞ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸዓ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፤ ዜቡል ከዓ ንገዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ኣሳጐጎም። ንፅባሒቱ ኸዓ እቲ ህዝቢ ናብ ገራሁኡ ወፈረ፤ እዙይ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ሰለስተ ሰራዊት መቐሎ፤ ኣብ በረኻ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ኣንበረ። እንሆ ድማ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኽወፅእ ምስ ረአየ ተሲኡ ቐተሎም። ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊትን ጐይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በሉ። እቶም ክልተ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ጐይዮም ነቶም ኣብ ገራሁ ዝነበሩ ዅሎም ወድእዎም። ኣቢሜሌክ ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኸተማ ብምልእታ ተዋግኣ፤ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቐተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸዓ ጨው ዘርአላ። ኵሎም እቶም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ቤት ኤልብሪት ኣተዉ። ኵሎም እቶም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተኣከቡ ኣቢሜሌክ ሰምዐ። ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብ እምባ ሰልሞን ደየቡ። ኣቢሜሌክ ድማ ብኢዱ ማሕፀ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረፀ፤ ኣልዒሉ ኸዓ ኣብ ማእገሩ ገበሮ። ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ “ከምቲ ኣነ እንትገብሮ ዝረአኹምዎ ንስኻትኩምውን ቀልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ” በሎም። ስለዙይ ኵሉ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ጨጨንፈሩ ቘረፀ፤ ንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ኣብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፤ ነቲ ዕርዲ ኸዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንደድዎ። ኵሎም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣስታት ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ሞቱ። ኣቢሜሌክ ቀፂሉ ናብ ቴቤስ ከደ፤ ንኣኣ ኸዓ ኣኽቢቡ ሓዛ። ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ድማ ፅኑዕ ግንቢ ነበረ፤ ኵሎም ሰብ እታ ኸተማ፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ናብኡ ሃደሙ፤ ኣብ ውሽጡውን ተዓፀዉ፤ ናብ ናሕሲ እቲ ግንቢ ኸዓ ደየቡ። ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግንቢ ቀሪቡ ተዋግአ፤ ብሓዊ ኸንድዶ ኸዓ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ግንቢ በፅሐ። ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲድ ደርብያ ናላኡ ጨፍለቐቶ። ሽዑ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከመሉ ጐበዝ ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፥ ሰይፍኻ መዚዝካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ከዓ ወግኦ እሞ ሞተ። ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ነናብ ቤቶም ከዱ። ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ፥ ክንዲ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮ፥ ኣምላኽ ከምዙይ ገይሩ ናብኡ መለሰሉ። ኵሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፥ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ኢዮኣታም ወዲ ጌዴዎን ከዓ ኣብ ረርእሶም በፅሐ። ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከዓ፥ ቶላ ወዲ ፎሖ፥ ወዲ ዱዲ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ንእስራኤል ከድሕን ተስአ። ንሱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኣብ ሳምር ይቕመጥ ነበረ። ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደ፤ ሞተውን፥ ኣብ ሳምር ከዓ ተቐበረ። ድሕሪኡ ድማ ገለዓዳዊ ኢያኢር ተስአ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ኣእዱግ ዝቕመጡ፥ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፤ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማታት ከዓ ይገዝኡ ነበሩ። ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ኢያኢር ይበሃላ ኣለዋ። ኢያኢር ምስ ሞተ ኸዓ ኣብ ቃሞን ተቐበረ። ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ግብሪ ገበሩ፤ በዓሊምን ኣስታሮትን ንዝበሃሉ ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ከምኡውን ንኣማልኽቲ ሶርያን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ኣሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣምለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ፤ ናብኡ ምስጋድውን ገደፍዎ። ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ደቂ ኣሞንን ከዓ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንሳቶም ከዓ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣጨነቑዎምን ኣሳቐይዎምን። ነቶም ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ንዝነብሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ኣጨኒቖም ገዝእዎም። ከምኡውን ደቂ ኣሞን ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ክዋግኡ ናብ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፥ ደቂ እስራኤል የመና ጨነቖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል “ንኣኻ ንኣምላኽና ሓዲግና ንኣማልኽቲ በዓሊም ኣምሊኽና ኢና እሞ፥ በዲልና ኢና” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ግብፃውያንን ኣሞራውያንን ኣሞናውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ኣጨነቑኹም፥ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ኻብ ኣእዳዎም ኣድሓንኩኹም። ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኽኩም፤ ስለዙይ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ። ብጊዜ መከራኹም ከድሕኑኹምስ ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ደኣ ኼድኩም ተማህለሉ።” ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር “በይዛኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኣድሕነና እምበር፥ በዲልና ኢና፤ ንስኻ ኸምቲ ዝሐይሽ ኮይኑ ዝተርአየካ ደስ ዝበለካ ግበረና” በልዎ። ሽዑ ነቶም ባዕዳን ኣማልኽቲ ኻብ ማእኸሎም ኣወገዱ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣምለኹ። እግዚኣብሄር ከዓ ንመከራ እስራኤል ክፅመም ኣይከኣለን። ደቂ ኣሞን ድማ ተፀዋዊዖም ክዋግኡ ኣብ ገለዓድ ሰፈሩ፤ ደቂ እስራኤልውን ተኣኪቦም ኣብ ምፅጳ ሰፈሩ። ሹመኛታት ህዝቢ ገለዓድ ድማ ንስንሳቶም “እቲ ምስ ደቂ ኣሞን ውግእ ዝጅምር ሰብኣይ መን እዩ? ንሱ ነቶም ኣብ ገለዓድ ዝነብሩ ዅሎም ሓለቓ ይኹኖም” ተበሃሃሉ። ገለዓዳዊ ዮፍታሔ፥ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ፥ ሓያል ጅግና ነበረ። ገለዓድ ድማ ንዮፍታሔ ወለደ። ሰበይቲ ገለዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉ። ንሳቶም ምስ ዓበዩ ኸዓ፥ ንዮፍታሔ “ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ” ኢሎም ሰጐጕዎ። ሽዑ ዮፍታሔ ኻብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ጦብ ድማ ተቐመጠ። ናብ ዮፍታሔ ኸዓ ዘይረብሑ ዓመፀኛታት ሰባት ተኣከቡ፤ ሰዓብዎውን። ድሕሪ ቑሩብ ኣዋርሕ ከዓ፥ ደቂ ኣሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ። ደቂ ኣሞን ምስ እስራኤል ክዋግኡ እንተለዉ፥ እቶም ዓበይቲ ደቂ ገለዓድ ንዮፍታሔ ኻብ ምድሪ ጦብ ከምፅእዎ ኸዱ። “ምስ ደቂ ኣሞን ክንዋጋእ ኢና እሞ ነዓ ሓለቓና ኹን” በልዎ። ዮፍታሔ ድማ ንዓበይቲ ገለዓድ፥ “ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን ዝፀላእኹምንን፥ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምንን? ሕዚ ደኣ ምስ ጨነቐኩም ከመይ ኢልኩም ናባይ ትመፁ?” በሎም። እቶም ዓበይቲ ገለዓድ ንዮፍታሔ “እወ፥ ግና ምሳና ኼድካ ንደቂ ኣሞን ክትዋጋእ እሞ ንዅልና ሰብ ገለዓድ ሓለቓና ኽትከውን ስለ ዝደለና ኢና ሕዚ ናባኻ ዝተመለስና” በልዎ። ዮፍታሔ ኸዓ ንዓበይቲ ገለዓድ “ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ናብ ዓደይ እንተ መሊስኩምኒ፥ እግዚኣብሄርውን ንኣኣቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሃበኒ፥ ሽዑ ኣነዶ ሓለቓኹም ክኸውን እየ?” በሎም። እቶም ዓበይቲ ገለዓድ ድማ ንዮፍታሔ “እወ፥ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ፤ ከም ቃልካ ኽንገብር ኢና” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ዮፍታሔ ምስቶም ዓበይቲ ገለዓድ ከደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ሓለቓን መራሕን ገበርዎ። ዮፍታሔ ድማ ዅሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ምፅጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ። ዮፍታሔ ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞን፥ “ናባና መፂእኻ ንሃገርና እትዋግኣስ፥ ምሳና እንታይ ኣለካ?” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። እቲ ንጉስ ደቂ ኣሞን ድማ ንልኡኻት ዮፍታሔ፦ “እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተሎ፥ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ እዩ እሞ፥ ሕዚ ምድረይ ብሰላም ምለሱለይ” በሎም። ዮፍታሔ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞን መሊሱ ልኡኻት ሰዲዱ፥ ከምዙይ በሎ፦ “ዮፍታሔ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል ምድሪ ሞኣብን ምድሪ ደቂ ኣሞንን ኣይወሰደን። እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፀ ብምድረ በዳ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ኸደ፤ ናብ ቃዴስ ድማ መፀ። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ልኡኻት ሰዲዶም፦ ‘በይዛኻ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ። ንጉስ ኤዶምያስ ግና ኣይፈቐደን። ናብ ንጉስ ሞኣብ ከዓ ለኣኹ፤ ንሱውን ኣበየ እሞ፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ቃዴስ ተቐመጡ። “ሽዑ ብምድረ በዳ ኸይዶም፥ ንምድሪ ኤዶምያስን ንምድሪ ሞኣብን ዞርወን፥ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማዕዶ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ወሰን ሞኣብ ስለ ዝነበረ፥ ናብ ማዕዶ ወሰን ሞኣብ ኣይሓለፉን። “ደቂ እስራኤል ከዓ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ ናብ ንጉስ ሓሴቦን፥ ልኡኻት ሰዲዶም፥ ‘በይዛኻ ኽሳዕ እታ ቦታና እንበፅሕ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ። ሴዎን ግና ንደቂ እስራኤል ስለ ዘይኣመኖም ብወሰኑ ኽሓልፉ ኣይደለየን። ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኸዓ ኣብ ያሃፅ ሰፈረ፤ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግአ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ንሴዎንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ሰዓርዎም፤ ሽዑ ደቂ እስራኤል ነታ ኣሞራውያን ዝነበርዋ ምድሪ፥ ብምልእታ ወረስዋ። ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ካብ ምድረ በዳ ኸዓ ኽሳዕ ዮርዳኖስ፥ ኵሉ ወሰን ኣሞራውያን ወረሱ። “ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ሰጒጉዎም እዩ። ንስኻ ደኣ እንታዋይ ኢኻ ኽተሕድገና እትደሊ? ንስኻ እቲ ኸሞሽ ኣምላኽካ ዝሃበካ ውረስ፤ ንሕና ኸዓ ኸምኡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝሃበና ኽንወርስ ኢና። ሕዚ ኸዓ ንስኻ ኻብ ባላቅ ወዲ ሴፌር ንጉስ ሞኣብዶ ትበልፅ ኢኻ? ንሱ ምስ ደቂ እስራኤልዶ ተባኢሱ እዩ? ወይ ምስኣቶምዶ ተዋጊኡ እዩ? ደቂ እስራኤል ኣብ ሓሴቦንን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ዓሮዔርን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ዅለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጦምወን እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ በቲ ዘመን እቱይ ዘይወሰድኩምዎም? ኣነስ ኣይበደልኩኻን፥ ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእኻ ኽፉእ ትገብረኒ ኣለኻ። እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ኣሞንን ሎሚ ይፍረድ።” እቲ ንጉስ ደቂ ኣሞን ግና ነቲ ዮፍታሔ ዝለኣኸሉ ቓል ኣይሰምዖን። ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ዮፍታሔ መፀ እሞ፥ ብገለዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብምፅጳ ናይ ገለዓድ ሓለፈ፤ ካብ ምፅጳ ናይ ገለዓድ ከዓ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ሓለፈ። ዮፍታሔ ድማ ንእግዚኣብሄር፦ “ንደቂ ኣሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፥ ካብ ደቂ ኣሞን ብደሓን ምስ ተመለስኩ፥ እቲ ኽቕበለኒ ኢሉ ኻብ ገዛይ ዝወፅእ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ገይረ ኸቕርቦ እየ” ኢሉ ተመባፅዐ። ሽዑ ዮፍታሔ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ናብኣቶም ገስገሰ፤ እግዚኣብሄርውን ንኣኣቶም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ካብ ዓሮዔር ክሳዕ ሚኒት ዕስራ ኸተማታት ደምሰሰ፤ ክሳዕ ኣቤል ከራሚም ድማ ብብርቱዕ ውግእ ሰዓሮም። ደቂ ኣሞን ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ። ዮፍታሔ ድማ ናብ ምፅጳ ናብ ገዛኡ ምስ መፀ፥ ጓሉ ብኸበሮን ብስዕስዒትን ክትቅበሎ ወፀት። ሓንቲ ንሳ ጥራሕ እያ ውላዱ፥ ብዘይ ንሳ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን። ንኣኣ ምስ ረአያ ኸዓ ኽዳውንቱ ቐዲዱ “ኣየ ጓለይ፥ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኣትየሉ እየ፤ ክመልሶ ኸዓ ኣይክእልን እየ እሞ፥ የመና ኣዋረድክኒ ኣጨነቕክኒ እውን” በላ። ንሳ ድማ “ኣቦይ፥ እግዚኣብሄር ኣብቶም ደቂ ኣሞን ፀላእትኻ ሕነ ኻብ ፈደየልካ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓ ኻብ ገበርካስ፥ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወፀ መብፅዓ ፈፅም። ግና ኻብዙይ ከይደ ናብ እምባታት እናዞርኩ ምስተን ብፆተይ ኮይነ ንድንግልናይ ክልተ ወርሒ ኽበኪ ፍቐደለይ” በለቶ። ንሱ ኸዓ ንኽልተ ወርሒ ኽትከይድ ፈቐደላ። ሽዑ ንሳ ምስ ብፆታ ኸይዳ ኣብ እምባታት ኮይና ንድንግልናኣ በኸየት። እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልአ፥ ናብ ኣቦኣ ተመለሰት፤ ከምቲ ተመባፂዕዎ ዝነበረ መብፅዓኡ ድማ ፈፀመ። ንሳ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት። በዝ ምኽንያትዙይ እዩ ድማ ኻብቲ ጊዜ እቱይ ጀሚሩ ኣብ እስራኤል ልማድ ኮይኑ፥ ኣጓላት እስራኤል ንጓል ገለዓዳዊ ዮፍታሔ ብምዝካር በብዓመቱ እናወፃ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓዘን ዝገብራላ። ሰብ ኤፍሬም ድማ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ፃፎን መፁ። ንዮፍታሔ ኸዓ “እቲ ምስ ደቂ ኣሞን ክትዋጋእ ክትሓልፍ እንተለኻስ፥ ምሳኻ ኽንከይድ ንኣና ዘይፀዋዕኻና ስለ ምንታይ ኢኻ? ንገዛኻ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኽነንድዳ ኢና” በልዎ። ዮፍታሔ ድማ “ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ኣሞን ኣብ ብርቱዕ ፀብኢ እንተለና፥ ምስ ፀዋዕኩኹም፥ ካብ ኢዶም ኣየድሓንኩምንን። ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ፈለጥኩ ድማ ንህይወተይ እንተየናሕሰኹ ናብ ደቂ ኣሞን ሓለፍኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሃበኒ። ስለ ምንታይከ ሎሚ ኽትዋግኡኒ መፃእኹም?” በሎም። ዮፍታሔ ድማ ንዅሎም ሰብ ገለዓድ ኣኽቲቱ ምስ ሰብ ኤፍሬም ተዋግአ። ደቂ ኤፍሬም ከዓ፥ “ኣቱም ሰብ ገለዓድ ካብ ኤፍሬምን ካብ ምናሴን ዝኸዳዕኹም ኢኹም” ይብልዎም ነበሩ እሞ፥ እቶም ሰብ ገለዓድ ንሰብ ኤፍሬም ተዋግእዎም። ገለዓዳውያን ነተን ደቂ ኤፍሬም ክሳገሩለን ዝኽእሉ መሳገሪታት ፈለግ ዮርዳኖስ ሓዝወን፤ ሓደ ኻብቶም ዝሃደሙ ደቂ ኤፍሬም “ኣሕልፉኒ” እንተ በሎም፥ “ኤፍሬማዊ ዲኻ?” ኢሎም ይጥይቕዎ፤ ንሱ ኣይፋለይን እንተበለ ኸዓ፥ ንሳቶም “እስኪ ‘ሺቦለት’ በል” በልዎ። ንሱ ኸዓ ኸምኡ ኣፅርዩ ምዝራብ ስለ ዘይኽእል “ሲቦለት” በለ፤ ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓረድዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ሰብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ተቐተሉ። ዮፍታሔ ድማ ንእስራኤል ሽዱሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕሪዙይ እቲ ገለዓዳዊ ዮፍታሔ ሞተ፤ ካብ ከተማታት ገለዓድ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ድማ ተቐበረ። ድሕሪ ዮፍታሔ ኸዓ ኢብፃን በዓል ቤተ ልሔም ንእስራኤል ፈራዲ ኾነ። ንሱ ሰላሳ ኣወዳትን ሰላሳ ኣጓላትን ነበርዎ፤ ነቶም ኣወዳቱ ኻብ ዘይዓሌቱ ኣጓላት ኣምፅአሎም። ከምኡውን ነተን ኣጓላቱ ናብ ዘይዓሌቱ ሃበን። ንደቂ እስራኤል ከዓ ሸውዓተ ዓመት ፈረዶም። ኢብፃን ሞተ፤ ኣብ ቤተ ልሔም ድማ ተቐበረ። ብድሕሪኡ ኸዓ ኤሎን ዛብሎናዊ ዓሰርተ ዓመት ንደቂ እስራኤል ፈረደ። ኤሎንውን ሞተ፤ ኣብ ኤሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ድማ ተቐበረ። ድሕሪኡ ድማ ዓብዶን፥ ወዲ ሂሌል በዓል ጲርዓቶን፥ ንእስራኤል መርሖም። ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብዓ ኣእዱግ ዝቕመጡ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ሸሞንተ ዓመት ፈረደ። ዓብዶን፥ ወዲ ሂሌል በዓል ጲርዓቶንውን ሞተ፤ ኣብ ጲርዓቶን ምድሪ ኤፍሬም፥ ኣብ ኰረብታታት ኣማሌቃውያን ድማ ተቐበረ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣርብዓ ዓመት ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም። ማኑሄ ዝስሙ ሰብኣይ በዓል ፆርዓ፥ ካብ ዓሌት ዳን ነበረ። ሰበይቱ ኸዓ መኻን ነበረት። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተገሊፁ ኸምዙይ በላ፦ “እንሆ መኻን ስለ ዝኾንኪ ኣይወለድክን፤ ግና ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። እምበኣር ካብ ሕዚ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ከይትሰትዪ፤ ርኹስ ዝኾነ ዅሉውን ከይትበልዒ ተጠንቀቒ። ምስ ወለድኪ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ መላፀ ኣይሓልፎን፤ ንሱ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም ክጅምር እዩ።” ሽዑ እታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናባይ መፀ፤ ትርኢቱውን ከም ትርኢት መልኣኽ እግዚኣብሄር የመና ዘፍርሕ ነበረ። ካበይ ከም ዝኾነ ኣነ ኣይጠየቕክዎን፤ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን። ግና ‘ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝጥነስ ጀሚሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተዪ፤ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብልዒ’ ኢሉኒ” ኢላ ነገረቶ። ማኑሄ ድማ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነቲ ዝውለድ ቈልዓ ኸመይ ጌርና ኸም እነዕብዮ ኽነግረናስ፥ በይዛኻ መሊሱ ይምፅአና” ኢሉ ለመነ። እግዚኣብሄር ድማ ቓል ማኑሄ ሰምዐ፤ እታ ሰበይቲ ኣብ በረኻ ኮፍ ኢላ እንተላ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ መፀ፤ ሰብኣያ ማኑሄ ግና ምስኣ ኣይነበረን። እታ ሰበይቲ ድማ ብጕያ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “እቲ ሓደ መዓልቲ መፂኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፥ እንሆ ተገሊፁለይ” ኢላ ነገረቶ። ማኑሄ ኸዓ ተሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ኸደ፤ ናብቲ ሰብኣይ መፂኡ ድማ “ነዛ ሰበይቲ ዝተዛረብካያ ንስኻ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ፥ “እወ፥ ኣነ እየ” በሎ። ማኑሄ ድማ “እዝ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ስርዓት እቲ ቘልዓ እንታይ እዩ? እንገብረሉኸ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እታ ሰበይቲ፥ ካብቲ ዅሉ ዝነገርክዋ ትጠንቀቕ። ካብ ወይኒ ኻብ ዝርከብ ኵሉ ኣይትብላዕ፤ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተ፤ ኵሉ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብላዕ፤ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዋ ድማ ትሓሉ” በሎ። ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ማሕስእ ኣዳሊና ኽሳዕ እንቕርበልካ በይዛኻ ፅናሕ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እንተ ፀናሕኹውን ምግብኻ ኣይበልዕን እየ። ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሊኻ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርበሉ” በሎ። ማኑሄ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እቲ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፥ ስምካ መን እዩ?” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ስለ ምንታይ ስመይ እትጥይቐኒ? ስመይ ‘መስተንክር’ እዩ” በሎ። ማኑሄ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ንእግዚኣብሄር ኣቕረበ። ሽዑ ማኑሄን ሰበይቱን እናረአዩ እቲ መልኣኽ ተኣምራት ገበረ። እቲ ሃልሃልታ ኻብቲ መሰውኢ ናብ ሰማይ ክድይብ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ውሽጢ ሃልሃልታ መሰውኢ ዓረገ። ማኑሄን ሰበይቱን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄን ንሰበይቱን ድሕሪኡ ኣይተርኣዮምን። ሽዑ ማኑሄ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። ማኑሄ ድማ ንሰበይቱ “ንእግዚኣብሄር ርኢናዮ ኢና እሞ፥ ብርግፅ ክንመውት ኢና” በላ። እታ ሰበይቱ ግና “እግዚኣብሄር ክቐትለና እንተ ዝደልስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፤ እዝ ዅሉውን ኣይመርአየናን፤ ከምዙይ ዝበለ ነገር ድማ በዝ ጊዜ እዙይ ኣይመስምዐናን” በለቶ። እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፤ ሶምሶን ኢላ ኸዓ ሰመየቶ። እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ፤ እግዚኣብሄርውን ባረኾ። ኣብ ሰፈር ዳን ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን እንተሎ ድማ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ከነቓቕሖ ጀመረ። ሶምሶን ናብ ተምና ወረደ፤ ኣብ ተምና ኸዓ ኻብ ኣጓላት ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ጓል ረአየ። ተመሊሱ ድማ ነቦኡን ንኖኡን “ኣብ ተምና ሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ጓል ሪአ ኣለኹ እሞ፥ ሕዚ ንኣኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮም። ሶምሶን ከዓ ነቦኡ “ብዓይነይ ባህ ኢላትኒ እያሞ፥ ንኣኣ ደኣ ኣምፅኡለይ” በሎ። ኣቦኡን እኖኡን ግና፥ እግዚኣብሄር ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ምኽንያት ይደሊ ነበረ እሞ፥ እዙይ ካብኡ ኸም ዝኾነ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸዓ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎም ነበሩ። ሽዑ ሶምሶንን ኣቦኡን እኖኡን ናብ ተምና ወረዱ፤ ናብቲ ኣብ ተምና ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ በፅሐ ድማ፥ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ መፆ። መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኡ ወረደ፤ ኣብ ኢዱ ዝኾነ መሳርሒ እንተይሓዘ፥ ንማሕስእ ከም ዝሰላልዕዎ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኾነ ንኖኡ ኣይነገሮምን። ወሪዱ ድማ ነታ ጓል ተዛረባ፤ የመናውን ባህ በለቶ። ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ ኽምርዓዋ ተመለሰ፤ ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኽርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ ኣብቲ ገምቢ ኣንበሳ፥ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ። በእዳዉ ወሲዱ ኸዓ ፈቐዶ መንገዲ እናበልዐ ኸደ፤ መፂኡ ድማ ነቦኡን ንኖኡን መዓር ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ነቲ መዓር ካብ ገምቢ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን። ኣቦኡ ድማ ነታ ጓል ክሪኣ ወረደ፤ እቶም መናእሰይ ከምኡ ይገብሩ ነበሩሞ፥ ሶምሶን ኣብኡ ድግስ ደገሰ። ምስ ረአይዎ ድማ፥ ምስኡ ዝኾኑ ሰላሳ ኣዕርኽቲ ኣምፅኡሉ። ሶምሶን ከዓ ንኣኣቶም “ኣነ ሕንቅሕንቅሊተይ ክነግረኩም እየ እሞ፥ ንእኡ በዘን ሸውዓተ መዓልቲ ናይዝ ድግስ ትርጕሙ ገሊፅኩም እንተ ነጊርኩምኒ፥ ሰላሳ ሃሪ ቐሚሽን ሰላሳ ቕያር ክዳንን ክህበኩም እየ። ንሳቶም ከዓ “ክንሰምዖስ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይካ ንገረና” በልዎ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ብሰለስተ መዓልቲ ኽነግርዎ ኣይከኣሉን። ብራብዐይቲ ንሱ ድማ ንኣኣ “እንሆ፥ ነቦይን ንኖይን እኳ ዘይገለፅኩሎምስ፥ ንኣኺዶ ኽገልፀልኪ እየ?” በላ። ንሳ ኸዓ በተን ሸውዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ቅድሚኡ ኾይና በኸየት። ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ትርጕሙ ገለፀላ፤ ንሳ ድማ ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ንደቂ ዓዳ ገለፀትሎም። ነዝ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም” በሎም። መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ሶምሶን መፀ፤ ናብ ኣስቀሎና ወሪዱ ድማ፥ ካብኣቶም ሰላሳ ሰባት ቀተለ፤ ንኣኣቶም ገፊፉ ድማ፥ ነቶም ትርጉም ሕንቅሕንቅሊተይ ዝገለፁሉ እቲ ቕያር ክዳውንቲ ሃቦም። በዙይ ኰርዩ ናብ እንዳ ኣቦኡ ኸደ። እታ ሰበይቲ ሶምሶን ከዓ ነቲ ኻብቶም ዝተሓባበሩ ኣዕርኽቱ ንሓዲኦም ኮነት። ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ዓፂድ ስርናይ ምስ ኮነ፥ ሶምሶን ማሕስእ ሒዙ ንሰበይቱ ኽጥይቓ ኸደ፥ “ናብ ሰበይተይ ናብ ሕልፍኚ ኽኣቱ እደሊ ኣለኹ” ድማ በለ፤ ኣቦኣ ግና ኽኣቱ ኣይፈቐደሉን። ኣቦኣ ኸዓ “ፈፂምካ ዝፀላእኻያ መሲሉንስ ንዓርክኻ ኣመርዕየያ እየ፤ ሕዚ ግና ኽንዲ ኽንዳኣ ነታ ኻብኣ እትፅብቕ ንእሽተይ ሓፍታ ኣእትዋ” በሎ። ሶምሶን ከዓ “ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ክፉእ እንተ ፈደኽዎም፥ በደል የብለይን” በሎም። ሶምሶን ድማ ኸይዱ ሰለስተ ሚእቲ ውኻርያ ሓዘ፤ ከክልተ ውኻርያ ገይሩ ኸዓ ጭራ ምስ ጭራ ኣታሓሒዙ ኣሰረን፤ ኣብ ማእኸለን ኣብ መንጎ ጭራአን ድማ ሓደ ሽግ ገበረለን። ነቲ ሽጋት ብሓዊ ኣቃፂሉ ኸዓ ናብ ማእኸል ዝሩእ ፍልስጥኤማውያን ሰደደን፤ ኵልሳሳትን ዘይዕፁድ እኽልን ኣትክልቲ ወይንን ኣውሊዕን ከዓ ነደደ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ደዪቦም፥ ንኣኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣቃፀልዎም። ሶምሶን ከዓ “እምበኣር እዙይ ካብ ገበርኩም፥ ኣነ ኸዓ ገና ኣፀቢቐ ሕነ እንተይፈደኹ ኣይሓድገኩምን እየ” በሎም። ብጭከና ወቒዑ ኸዓ ወድኦም፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኰዅሒ ዔጣም ተቐመጠ። ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፤ ንሌሒ ኸዓ ወረርዋ። ንሳቶም ከዓ “ንሶምሶን ክንኣስሮ፥ ከምቲ ዝገበረና ድማ ኽንገብሮ ኢና ዝደየብና” በልዎም። ንሱ ኸዓ “ኸምቲ ዝገበሩኒ እየ ዝገበርክዎም” በሎም። ሶምሶን ድማ “እምበኣር ንስኻትኩም ከም ዘይትቐትሉኒ መሓሉለይ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ኣይፋልናን፥ ኣፅኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ክነሕልፈካ ኢና እምበር፥ ምቕታልስ ኣይንቐትለካን ኢና” በልዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ኻብቲ ኰዅሒ ኣውፅእዎ። ናብ ሌሒ ምስ ቀረበ ኸዓ፥ እቶም ፍልስጥኤማውያን ዕልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፤ እቲ ኣብ ቀላፅሙ ዝነበረ ገመዳት ከዓ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኾነ። እቲ መእሰሪኡ መኺኹ ኸዓ ኻብ ኣእዳዉ ወደቐ። ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ረኸበ፤ ብእኡ ገይሩ ድማ ሽሕ ሰባት ቀተለ። ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰባት ቀተልኩ” በለ። እዙይ ምስ በለ፥ ነቲ ምንጋጋ ኣድጊ ደርበዮ፥ ነታ ቦታ ድማ ራማትሌሒ ሶምሶን ከዓ የመና ፀምአ እሞ “እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ንባርያኻ ሃብካ፤ ሕዚ ኸዓ ብፅምኢ ማይ ክመውት፥ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግሩዛትውን ክወድቕ ድየ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ። ሽዑ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ዓማቝ ቦታ ሰንጠቓ፤ ካብኣ ድማ ማይ ወፀ። ምስ ሰተየ ድማ ሓይሉ ተመለሰ እሞ ሓወየ። ስለዙይ ስማ ዓይንሃቆሬ ሶምሶን ብዘመን ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት መርሖም። ሶምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፤ ኣብኣ ኸዓ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ ኣተወ። ንሰብ ጋዛ ኸዓ “ሶምሶን ኣብዙይ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ኸበብዎ፥ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸዓ ምሉእ ለይቲ ኣድብዮም ተፀበይዎ። “ምስ ወግሐ ኽንቀትሎ ኢና” ኢሎም ድማ ምሉእ ለይቲ ሓለውዎ። ሶምሶን ከዓ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ተሲኡ ነቲ መዓፁ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጐሪኡን ፈነቓቒሉ፥ ኣብ ማእገሩ ገይሩ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኬብሮን ዘሎ ጎቦ ኣደየቦ፤ ኣብኡውን ኣንበሮ። ድሕሪዙይ ከዓ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ። እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ኸይዶም “ኣሲርና ኽነድክሞስ ከመይ ጌርና ኸም እነሰንፎ፥ እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትፈልጢ ሓባብልዮ፤ ንሕና ኸዓ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ክንህበኪ ኢና” በልዋ። ደሊላ ድማ ንሶምሶን፦ “እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፥ ብምንታይ እንተ ኣሰሩኻኸ ትደክም? በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ። ሶምሶን ድማ “ብሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፤ ከም ማንም ሰብ ከዓ እኸውን” በላ። ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን ኣምፅኡላ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ። ኣብ ውሻጠኣ ሕቡኣት ሰባት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ “ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። ሽዑ ነቲ ምራውንቲ፥ ሓዊ ዝነኽኦ ፈትሊ ኸም ዝብተኽ፥ ብትኽትኽ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈለጠን። ደሊላ ኸዓ ንሶምሶን “እንሆ፥ ኣላጊፅካለይ፥ ነቲ ሓቂውን ኣይነገርካንን፤ ሕዚ እውን ብምንታይ ከም እትእሰር፥ በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ። ንሱ ድማ “ዝኾነ ስራሕ ብዘይ ተሰርሐሉ ሓድሽ ገመድ ኣፅኒዖም እንተ ኣሰሩኒ እደክም፥ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ እኸውን” በላ። ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሶምሶን ብእኡ ኣሰረቶ። “ሶምሶን! ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። እቶም ሕቡኣት ሰባት ከዓ ኣብቲ ውሻጠ ነበሩ። ንሱ ግና ኻብ ቀላፅሙ ኸም ፈትሊ በተኾ። ንሱ ኸዓ “ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ፀጕሪ ርእሰይ፥ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣለምክዮ፥ ኣብ ሽኻል ማእለማ ኸዓ እንተ ኣሰርክዮ፥ ከም ኵሉ ሰበይ ድኹም እኸውን” በላ። ሶምሶን ምስ ደቀሰ፥ ደሊላ ነቲ ዝተቘነነ ፀጉሪ ርእሱ ምስቲ ቕጥኒ ጐንጐነቶ፤ ኣብ ሽኻል ኣሲራ ድማ፥ “ሶምሶን! እንሆ ፍልስጥኤማውያን መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራቢሩ፥ ነቲ ሽኻል ማእለማ ነቓቐሎ፤ ነቲ ቕጥኒ ድማ በታተኾ። ንሳ ኸዓ ሶምሶን “ልብኻ ምሳይ ዘየለስ ከመይ ጌርካ ኢኻ ‘እፈትወኪ እየ’ እትብለኒ ዘለኻ? ሰለስተ ሻዕ ኣታሊልካኒ፤ እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን” በለቶ። ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ምስ ኣትከረቶ፤ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት። ኵሉ ናይ ልቡ ኸዓ ገለፀላ “ኣነ ኻብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ንኣምላኽ ዝተወፈኹ ናዝራዊ እየ እሞ ርእሰይ ተላፅየ ኣይፈልጥን፤ ስለዙይ እንተ ተላፀኹ፤ ሓይለይ ይደክም፤ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ ድኹም እኸውን” በላ። ደሊላ ድማ ዅሉ ናይ ልቡ ኸም ዝገለፀላ ምስ ፈለጠት ነቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ልኢኻ፥ “ኵሉ ናይ ልቡ ገሊፁለይ እዩ እሞ ሕዚ ንዑ” ኢላ ፀውዐቶም። ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን እቲ ገንዘብ ሒዞም ናብኣ መፁ። ንሳ ኸዓ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፤ ሓደ ሰብኣይ ፀዊዓ ድማ ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ርእሱ ኣላፀየቶ፤ ክተዋርዶውን ጀመረት፤ ንሱ ኸዓ ኽደክም ጀመረ፤ ሓይሉውን ካብኡ እናተፈለየ ኸደ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ፤ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ስለ ዘይፈለጠ ኸዓ፥ ከም ቀደሙ፥ “ተቓሊሰ ኽወፅእ እየ” ኢሉ ሓሰበ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሰርዎ፤ ኣብቲ ቤት እሱራት ከዓ ይጥሕን ነበረ። ግና ምስተላፀየ ፀጕሪ ርእሱ ኸም ብሓድሽ ክበቍል ጀመረ። እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ “ኣምላኽና ንሶምሶን ፀላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ክሕጐሱን ተኣከቡ። እቶም ህዝቢ ንሶምሶን ምስ ረአይዎ ድማ “ነቲ ንሃገርና ዘጥፍአን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ፀላኢና፥ ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንኣምላኾም ኣመስገኑ። ልቦምውን የመና ምስ ተሓጐሰ “ንሶምሶን፥ ኣብ ቅድሜና ኽፃወት ፀውዕዎ” በሉ። ንሶምሶን ከዓ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኑውን ይፃወት ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኣዕምዲ ኸዓ ደው ኣበልዎ። ሶምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ቘልዓ “ነቲ ኣዳራሽ ፆይሮም ዘለዉ ኣዕምዲ ሒዘ ኽፅግዖምስ በይዛኻ ናብኣቶም ኣፀግዐኒ” በሎ። እቲ ኣዳራሽ ድማ ብሰብኡትን ኣንስትን መሊኡ ነበረ። እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያንውን ኵሎም ኣብኡ ነበሩ። ሶምሶን ክፃወት እንተሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኾይኖም ዝሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ። ሶምሶን ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ኦ ጐይታ! በይዛኻ ዘክረኒ፤ ኣታ ኣምላኸይ፥ ንፍልስጥኤማውያን ሕዚ ሕነ እዘን ክልቲአን ኣዒንተይ ክፈድዮምስ፥ በይዛኻ ንሓደ ጊዜ ጥራሕ ሓይሊ ሃበኒ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ሽዑ ሶምሶን ነቶም ነቲ ገዛ ዝፆሩ ኽልተ ናይ ማእኸል ኣዕምዲ፥ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸዓ ብፀጋሙ ሓዞ። ሶምሶን ድማ፦ “ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሕለፍ” ኢሉ ብምሉእ ሓይሉ ነቲ ኣዕምዲ ደፍኦ፤ እቲ ኣዳራሽ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐ። ካብቶም ብህይወቱ እንተሎ ዝቐተሎም እቶም ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ። ሽዑ ኣሕዋቱን ኵሎም ስድራ ኣቦኡን ወሪዶም ሬሳኡ ሒዞም ደየቡ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኑሄ ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን ቀበርዎ። ሶምሶን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ። ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ። ንኖኡ ድማ “ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ምስ ተወስደኪ፥ ነቲ ዝወሰደልኪ ሰብ ኣነ ብእዝነይ እናሰማዕኹኺ ረጊምክዮ፤ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፤ ኣነ እየ ዝወሰድክዎ” በላ። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በለቶ። እቲ ወዳ ነቲ ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ንኖኡ መለሰላ። እኖኡ ኸዓ “እዝ ብሩር እዙይ ንእግዚኣብሄር ወፍየዮ ኣለኹ፤ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስሊ መግበሪ ክኸውን እዩ፤ ሕዚ ኸዓ እንሆ እመልሰልካ ኣለኹ” በለቶ። ንሱ ኸዓ እቲ ብሩር ንኖኡ መለሰላ፤ እኖኡ ድማ ኽልተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩር ወሲዳ ነንጠረኛ ሃበቶ። እቲ ኣንጠረኛ ኸዓ ነቲ ብሩር ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ። እቲ ምስሊ ድማ ኣብ ቤት ሚካ ነበረ። እዝ ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ፥ ቤት ኣማልኽቲ ነበሮ፤ ኤፉድን ተራፊምን ድማ ገበረ፤ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸዓ ኻህኑ ክኸውን ቀደሶ። በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኾይኑ ዝተርኣዮ ይገብር ነበረ። ሓደ ሌዋዊ መንእሰይ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። ንሱ ወሰንተኛ ኾይኑ ምስ ደቂ ይሁዳ ይቕመጥ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ዝቕመጠሉ ቦታ ንምድላይ፥ ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ወፀ። ንቕድሚኡ ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መፀ። ንሱ ድማ “ኣነ ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝመፃእኹ ሌዋዊ እየ። ዝቕመጠሉ ቦታ ንምድላይ እኸይድ ኣለኹ” በሎ። ሚካ ኸዓ፥ “ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፤ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ቕርሺ ብሩርን ዝግባእ ኽዳውንትን ቀለብን ክህበካ እየ” በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ ኣተወ፤ ምስቲ ሰብኣይ ክቕመጥ ድማ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከዓ ኸም ሓደ ኻብ ደቁ ኾኖ። ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቐደሶ፤ ንሱ ኻህኑ ኾነ፤ ኣብ ገዛኡ ኸዓ ተቐመጠ። ሚካ ድማ፥ “ሌዋዊ ካህን ስለ ዘለኒ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝገብረለይ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ። በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን። ነገድ ዳን ድማ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ብፅሒት ርስቲ ኣይነበሮምንሞ፥ በቲ ዘመን እቱይ ዝነብሩሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ። ንሳቶም ከዓ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ናብ ቤት ሚካ መፁ፤ ኣብኣውን ሓደሩ። ኣብኡ እንተለዉ ነቲ መንእሰይ ሌዋዊ ብኣዘራርባኡ ፈለጥዎ እሞ ናብኡ ኣግሊሶም፥ “ናብዙይ መን ኣምፅአካ? ኣብዙይከ እንታይ ትገብር ኣለኻ? ኣብዙይከ እንታይ ኣለካ?” በልዎ። ንሱ ድማ ሚካ ኸምዙይን ከምዙይን ገበረለይ። “ቈፀረኒውን፤ ኣነ ኸዓ ኻህን ኮንኩሉ” በሎም። ንሳቶም ድማ “እዛ እንኸዳ ዘለና መንገዲ እትቐንዐና እንተ ኾይና ኽንፈልጥስ፥ በይዛኻ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” በልዎ። እቲ ኻህን ድማ “እዛ እትኸድዋ ዘለኹም መንገዲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያሞ ብሰላም ኪዱ” በሎም። ንሳቶም ካብ ሲዶናውያን ርሒቖም፥ ካብ ኵሉ ሰብ ተፈልዮም ንበይናቶም ይነብሩ ነበሩ። ናብ ፆርዓን ኤሽታዖልን፥ ናብ ኣሕዋቶም ምስ መፁ እቶም ኣሕዋቶም እንታይ ወረ ሒዝኩም ኣለኹም በልዎም። ንሳቶም ከዓ “እታ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ኸም ዝኾነት ርኢናያ ኣለና። ተልዓሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ንደይብ። ንስኻትኩምከ ስቕ ዲኹም እትብሉ? ንምኽያድ፥ ኣቲኹምውን ነታ ምድሪ ንምውራስ ሸለል ኣይትበሉ። ኣብኣ ምስ በፃሕኹም ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኢድኩም ዝሃበኩም፥ ተኣማሚኑ ዝነብር ህዝብን የመና ገፋሕ ምድርን ክትረኽቡ ኢኹም። ንሳ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዅሉ ዝጐድላ ዘይብላ ምድሪ እያ” በልዎም። ሽዑ ኻብ ዓሌት ደቂ ዳን ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኡት ኣፅዋር ውግእ ተዓጢቖም ካብ ፆርዓን ካብ ኤሽታዖልን ተልዓሉ። ደዪቦም ከዓ ኣብ ቅርያት የዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዙይ እታ ብምዕራብ ቅርያት የዓሪም ዘላ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትብሃል ኣላ። ካብኣ ንዀረብታታት ኤፍሬም ሓሊፎም፥ ናብ ቤት ሚካ ኸዱ። ሽዑ እቶም ንሃገር ሌሳን ክስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ነቶም ኣሕዋቶም፥ “ኤፉድን ተራፊምን፥ ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ኣብዘን ገዛውቲ እዚኣተን ከም ዘሎዶ፥ ትፈልጡ? ሕዚ ድማ እትገብርዎ ፍለጡ” ኢሎም ተዛረብዎም። ናብቲ ኣብ እንዳ ሚካ ዝነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ። እቶም ኣፅዋር ውግእ ዝተዓጠቑ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ደቂ ዳን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ኻህን ምስቶም ኣፅዋር ውግእ ዝተዓጠቑ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ እንተሎ፥ እቶም ነታ ሃገር ክስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት፥ ናብታ ቤት ኣማልኽቲ ደዪቦም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ነቲ ኤፉድን ተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ወሰድዎ። እዚኣቶም ናብ ቤት ሚካ ኣትዮም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ነቲ ኤፉድን ንምስሊ ተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፥ እቲ ኻህን “እንታይ ትገብሩ ኣለኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ስቕ በል፤ ኢድካ ኣብ ኣፍካ ግበር። የግዳስ ንዓናይ ምሳና ኺድ፤ ኣቦን ካህንን ድማ ኹነና። ናይ ሓደ ቤተ ሰብ ካህን ካብ ምዃን፥ ናይ ሓደ ነገድ እስራኤል ካህን ምዃንዶ ኣይሕሽን?” በልዎ። ሽዑ እቲ ኻህን ብልቡ ተሓጐሰ፤ ነቲ ኤፉድን ንምስሊ ተራፊምን ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ሓዘ፤ ብማእኸል እቲ ህዝቢ እውን ከደ። ንሳቶም ከዓ ዘይሮም ከዱ፤ ደቆምን እንስሳኣቶምን ኵሉ ዘለዎም ሃብትን ቀቅድሚኣቶም ገበሩ። ካብ ቤት ሚካ ምስ ረሓቑ ኸዓ እቶም ጐረባብቲ ቤት ሚካ ዝነበሩ ሰባት ብኣውያት ተኣኪቦም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም። ንደቂ ዳን ድማ ፀውዕዎም። ደቂ ዳን ከዓ ገፆም መሊሶም ንሚካ “ብኣውያት ሰብካ እትእክብ እንታይ ኴንካ ኢኻ?” በልዎ። ንሱ ድማ “ንስኻትኩም፥ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣለኹም፤ ከመይ ኢልኩም ‘እንታይ ኴንካ ኢኻ’ እትብሉኒ? እንታይዶ ተሪፉኒ እዩ?” በሎም። እቶም ደቂ ዳን ከዓ “ደሞም ዝፈልሖም ሰባት ከይዋግኡኻ እሞ፥ ንነፍስኻን ነፍሲ ቤተ ሰብካን ከይተጥፍእስ ድምፅኻ ኣብ ማእኸል ኣይተስምዕ” በልዎ። እቶም ደቂ ዳን ድማ መንገዶም ከዱ። ሚካ ኸዓ ኻብኡ ኸም ዝሕይሉ ምስ ረአየ፥ ናብ ገዛኡ ተመለሰ። ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ምስልታትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኻህንን ሒዞም ናብቲ ሃዲኡን ተኣማሚኑን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፥ ናብ ሌሳ ኸዱ። ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተልዎም፥ ነታ ኸተማ ኸዓ ብሓዊ ኣባርዕዋ። ደቂ ዳን ከዓ ነታ ኸተማ ኸም ብሓድሽ ሰሪሖም ተቐመጥዋ። ብስም እቲ ንያእቆብ ዝተወልደሉ ኣቦኣቶም ዳን፥ ስም እታ ኸተማ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም እታ ኸተማ ሌሳ ይበሃል ነበረ። እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ፅሩብ ምስሊ ኽሰግዱሉ ኣቖምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር ዝተትሓዘትላ መዓልቲ፥ ዮናታን፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ንሱን ዘርኡን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኮይኖም የገልግልዎም ነበሩ። እታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ኽሳዕ ዝነበረትሉ ዅሉ ዘመን፥ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ፅሩብ ምስሊ ንኣኣቶም ኣቚሞምዎ ነበሩ። በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም የመና ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ዝቕመጥ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ኣእተወ። እታ ሰበይቲ ወሰኑ ግና ኣብ ልዕሊኡ ኣመንዘረት፤ ሓዲጋቶ ድማ ናብ እንዳቦኣ ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸደት፤ ኣብኡውን ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጠት። እቲ ሰብኣያ ምስኣ ዕርቂ ደልዩ ናብ ገዛኡ ኽመልሳ ናብኣ ክኸይድ ተልዓለ። ኣሰራ ተኸቲሉውን ከደ። ሓሽከሩን ክልተ ኣእዱግን ከዓ ምስኡ ነበሩ። ንሳውን ናብ ገዛ ኣቦኣ ኣእተወቶ፤ ኣቦ እታ ሰበይቲ ምስ ረአዮውን ተሓጒሱ ተቐበሎ። እቲ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ሰበይቲ ግዲ ስለ ዝበሎ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቐመጠ። ይበልዑን ይሰትዩን፥ ኣብኡውን ይሓድሩ ነበሩ። ብራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተስኡ፤ እቲ ሌዋዊ ድማ ክኸይድ ተልዓለ። ኣቦ እታ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይ ጓሉ፥ “ቍራስ እንጀራ በሊዕኻ ሰውነትካ ኣበርቲዕኻ፥ ብድሕሪኡ ትኸይድ” በሎ። ክልቲኦም ድማ ኮፍ ኢሎም ብሓደ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ ሰብኣይ “በይዛኻ ንሎሚ ለይቲ ተሓጒስካ ሕደር” በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ክኸይድ ተስአ፤ እቲ ሓሙኡ ግዲ ምስ በሎ ኸዓ፥ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ። ብሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ክኸይድ ኣንጊሁ ተስአ። ኣቦ እታ ሰበይቲ ኸዓ “በይዛኻ ሰብነትካ ኣበርትዕ፤ ምድሪ ኽሳዕ ዝደግስ ፅናሕ” በሎ፤ ክልቲኦም ድማ በልዑ። እቲ ሰብኣይ ምስታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ሓሽከሩን ክኸይድ ምስ ተልዓለ፥ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ሰበይቲ፥ “እንሆ፥ እቲ መዓልቲ ኽዓርብ ቀሪቡ እዩሞ ሕደር፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ፅባሕ ድማ ናብ ገዛኻ ኽትከይድ ኣንጊህኹም መንገድኹም ትጅምሩ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኽሓድር ስለ ዘይደለየ ተሲኡ ኸደ፤ ኢየሩሳሌም ናብ ዝተብሃለት ኣብ መንፅር ኢያቡስ ከዓ በፅሐ። እተን ክልተ ፅዑናት ኣእዱግን እታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ድማ ምስኡ ነበራ። ኣብ ኢያቡስ ምስ በፅሑ፥ ምድሪ መስያ ነበረት እሞ፥ እቲ ሓሽከር ንጐይታኡ “በይዛኻ ነዓ፥ ናብዛ ኸተማ ኢያቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደር” በሎ። ጐይታኡ ኸዓ “ከተማ ደቂ እስራኤል ናብ ዘይኮነት ኣይንኣቱን ኢና። ናብ ገባዖን ደኣ ንሕለፍ” በሎ። ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነዓናይ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚኣተን ንቕረብ እሞ ኣብ ገባዖን ወይ ኣብ ራማት ንሕደር” በሎ። ሓሊፎም ድማ ኸዱ፤ ኣብ ጥቓ ገባዖን፥ ኣብ ምድሪ ብንያም፥ እንተለዉ ፀሓይ ዓረበቶም። ኣብ ገባዖን ኣትዮም ክሓድሩ ናብኣ ኣግለሱ፤ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፤ ኣብ ገዛኡ ኸሕድሮም ዝተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን። እንሆ ድማ፥ ኣብ ማሕረስ ዝወዓለ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ኣጋ ምሸት መፀ። እዝ ሰብኣይ እዙይ ከዓ ኻብ ኰረብታታት ኤፍሬም መፂኡ፥ ወሰንተኛ ኾይኑ፥ ኣብ ገባዖን ይቕመጥ ነበረ። ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ። ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ ኸዓ ነቲ ሓላፊ መንገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከዓ፥ “ናበይ እትኸይድ ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “ንሕና ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝመፃእና ኢና፤ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም ናብ ማዕዶ እንሓልፍ ኢና፤ ንሕና ካብኡ ኢና፤ ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸዓ ኬድና ኔርና፤ ሕዚ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኸይድ ኣለና፤ ኣብ ገዛኡ ዘሕድረና ሰብ ግና ስኢንና። ነእዱግና ዝኸውን ሓሰርን ጥረን፥ ንኣይን ነዛ ኣገልጋሊትካን ነዝ ምሳና ዘሎ ኣገልጋልን ዝኸውን እንጀራን ወይንን ኣለና፤ ዝጐድለና ነገርውን የለን” በሎ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ድማ “ሰላም ምሳኻ ይኹን፤ ግዳስ ኣብዝ ኣደባባይ ደኣ ኣይትሕደር እምበር፥ ኵሉ እትደልዮ ኽህበካ እየ” በሎ። ናብ ገዛኡ ኣእትዩ ኸዓ፥ ነተን ኣእዱግ ዝብላዕ ሃበን፤ ኣእጋሮም ተሓፂቦም ከዓ በልዑን ሰተዩን። እቶም ኣጋይሽ ከምዙይ ኢሎም ክሕጐሱ እንተለዉ፥ እንሆ ብዕሉጋት ሰባት እታ ኸተማ፥ ነታ ገዛ ኸበብዋ፤ ነቲ ማዕፆ ብሓይሊ እናወቕዑ ኸዓ ነቲ በዓል ገዛ ሽማግለ ሰብኣይ፥ “ነዝ ኣብ ገዛኻ ኣትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፥ ኣውፅኣዮ” ኢሎም ተዛረብዎ። እቲ በዓል ገዛ ሰብኣይ፥ ናብኣቶም ወፂኡ “ኣሕዋተይ! ኣይፋልኩምን፥ በይዛኻትኩም ክፉእ ኣይትግበሩ፤ እዝ ሰብኣይ እዙይ ኣብ ገዛይ ካብ ኣተወስ፥ እዝ ነውሪ እዙይ ኣይትግበሩ። እንሆ፥ ድንግል ጓለይን ናይ ወሰን ሰበይቱን፥ ንኣኣተን ከውፅአልኩም፤ ከም ዝደለኹም ግበሩወን፤ ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ግና ኸምዙይ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ” በሎም። እቶም ሰባት ግና ኽሰምዕዎ ኣይደለዩን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ናይ ወሰን ሰበይቱ ሒዙ ናብኣቶም ናብ ደገ ኣውፅኣ። ንሳቶም ከዓ፥ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣሕሰርዋ። ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ኽትከይድ ሰደድዋ። ክወግሕ ምስ ጀመረ፥ እታ ሰበይቲ ናብቲ ጐይታኣ ዘለዎ ኣፍ ደገ ቤት እቲ ሰብኣይ መፂኣ፥ ክሳዕ ፀሓይ እትበርቕ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት። እቲ ሰብኣያ ጊሓት ተሲኡ ማዕፆ እታ ቤት ከፈተ፤ መንገዱ ክኸይድውን ወፀ፤ እንሆ፥ እታ ናይ ወሰን ሰበይቱ፥ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፥ ኣእዳዋ ኸዓ ኣብቲ ድርኵዂት ዘርጊሓ ነበረት። ንሱ ድማ “ተስኢ ንኺድ” በላ፤ ንሳ ግና ሞይታ ስለ ዝነበረት ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ፅዒንዋ፥ ተልዒሉ ናብ ቦታኡ ኸደ። ኣብ ገዛኡ ምስ ኣተወ፥ ካራ ወሲዱ ነታ ናይ ወሰን ሰበይቱ ሒዙ በቲ መፈላለዪ ኣዕፅምታ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ቝራፅ ቘራሪፁ፥ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ። ኵሉ ነዙይ ዝረኣየ ኸዓ “ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኸምዙይ ዝመሰለ ኾይኑን ተርእዩን ኣይፈልጥን። ስለዙይ ሕሰቡሉን ምኸሩሉን፤ ተነጋገሩሉን” በለ። ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወፁ። እቲ ማሕበርውን ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህን ካብ ምድሪ ገለዓድንውን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ። ኣሕሉቕ ኵሉ ህዝብን ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ሰይፊ ዝተዓጠቑ ዅሎም ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ኣብቲ ጉባኤ ህዝቢ እግዚኣብሄር ቆሙ። ደቂ ብንያም ድማ፥ ደቂ እስራኤል ንምፅጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ከዓ “እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ኸም ዝኾነ ንገሩና” በልዎም። ሽዑ እቲ ሌዋዊ፥ ሰብኣይ እታ ዝተቐተለት ሰበይቲ፥ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነን እታ ናይ ወሰን ሰበይተይን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ክንሓድር መፃእና። እቶም ሰብ ገባዖን ድማ ተልዓሉኒ፤ ኣብታ ዘአተኹዋ ገዛ ብለይቲ ኸበቡኒ፤ ክቐትሉኒ ኸዓ ሓሰቡ፤ ነታ ናይ ወሰን ሰበይተይ ዓመፅዋሞ ሞተት። ኣነ ኸዓ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ሓጢኣትን ነውርን ስለ ዝገበሩ፥ ነቲ ሬሳኣ ወሲደ ቘራረፅክዎ እሞ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደድክዎ። ኣቱም ኣብዙይ ዘለኹም ደቂ እስራኤል ምኽርኹምን ውሳነኹምን ሃቡ” በሎም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ብሓደ ኾይኑ፦ “ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፤ ሓደ እኳ ናብ ገዛኡ ኣይመለስ። ሕዚ ግና ንገባዖን ከምዙይ ክንገብራ ኢና፦ ዕፃ ኣውዲቕና ኣብ ልዕሊኣ ንደይብ። ስንቂ ዝወስዱ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል፥ ካብ ሚእቲ ዓሰርተ፥ ካብ ሽሕ ከዓ ሚእቲ፥ ካብ ዓሰርተ ሽሕውን ሽሕ ሰብኣይ ንውሰድ። እቶም ዝዋግኡ ኸዓ ነታ ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ገባዖን፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት ዝግብኣ ኽፈድይዋ እዮም” በለ። ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ኣብታ ኸተማ ተኣከቡ። ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ኵሉ ነገድ ብንያም፦ “እዝ ኣባኻትኩም ዝተፈፀመ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ? እቶም ደቂ ብንያም ግና ቓል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ክሰምዑ ኣይደለዩን። ከካብ ከተማታቶም ናብ ገባዖን ተኣከቡ እሞ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ ወፁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወፁ ደቂ ብንያም፥ ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ሸውዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰባት፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ሰይፊ ዝሓዙ ሰባት ነበሩ። ካብ ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ብፀጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ፀጕሪኳ ዘይስሕቱ ሸውዓተ ሚእቲ ምሩፃት ሰባት ነበሩ። ደቂ እስራኤል ድማ፥ ብዘይ ነገድ ብንያም፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሰይፊ ዝሓዙ ሰባት ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ተዋጋእቲ ሰባት ነበሩ። ደቂ እስራኤል ተሲኦም ናብ ቤቴል ደየቡ፤ “ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደዪበልና?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ይሁዳ ይቐድም” በሎም። ደቂ እስራኤል ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ደየቡ እሞ ኣብ መንፅር ገባዖን ሰፈሩ። ሰብ እስራኤል ምስ ደቂ ብንያም ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ገባዖን ድማ ተሰለፉ። ደቂ ብንያም ከዓ ኻብ ገባዖን ወፂኦም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰባት ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቑሎም። ደቂ እስራኤል ድማ ንስንሳቶም ተጠናኺሮም ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ተሰለፉ። ደቂ እስራኤል ከዓ ደዪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፦ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ውግእ ክንገጥም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ደይቡ” በሎም። ደቂ እስራኤል ድማ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ምስ ደቂ ብንያም ክዋግኡ ቐረቡ። ደቂ ብንያም ከዓ ኻልአይቲ መዓልቲ ኽዋግእዎም ካብ ገባዖን ደየቡሞ፥ መሊሶም ካብ ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቑሎም። እዚኣቶም ኵሎም ሰይፊ ዝሓዙ ተዋጋእቲ ነበሩ። ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤቴል ደዪቦም በኸዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ፆሙ። ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ድሕነትን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ጠየቕዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ። ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ የገልግል ነበረ። “መሊስናዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ክንዋጋእ ክንድይብ ወይ ክንሓድጎም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ድማ “ፅባሕ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ እሞ ደይብኩም፥ ተዋግእዎም” በሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ንገባዖን ኣብ ዙርያኣ ሕቡእ ደጀን ኣንበሩላ። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ደቂ ብንያም ደየቡ፤ ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣብ ቅድሚ ገባዖን ተሰለፉ። እቶም ደቂ ብንያም ድማ ነቲ ህዝቢ ኽዋግእዎ ኻብታ ኸተማ ስዒቦም ወፁ። ኣብተን ክልተ መንገዲ፥ ኣብታ ንቤቴል ኣቢላ እተድይብን፥ ኣብታ ንበረኻ ገባዖን እትወስድን፥ ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ነቲ ህዝቢ ኽወቕዕዎን ክቐትልዎን ጀመሩ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ቀተሉ። ደቂ ብንያም “ከምቲ ናይ ቅድም ንስዕሮም ኣለና” በሉ፤ ደቂ እስራኤል ግና “ካብ ከተማ ናብ መንገድታት ክንስሕቦምስ ንህደም ደኣ” በሉ። ኵሎም ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቦታኦም ተሲኦም ኣብ በዓል ታማር ተሰለፉ። እቲ ሕቡእ ዝነበረ ናይ እስራኤል ጦር ድማ ኻብታ ቦታኡ ኻብ ምዕራብ ገባዖን ወፀ። ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ንገባዖን ሓደጋ ኣውደቑላ፤ እቲ ውግእ ኸዓ በርትዐ፤ ደቂ ብንያም ግና ኽፉእ ከም ዝበፅሖም ኣይፈለጡን። እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ ብንያም ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዝሰዓሩ ገበሮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ደቂ እስራኤል ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሓደ ሚእትን ሰባት ቀተሉ። እዚኣቶም ኵሎም ሰይፊ ዝሓዙ ተዋጋእቲ ነበሩ። ደቂ እስራኤል በቲ ኣብ ገባዖን ዘንበርዎ ሕቡእ ጦር ስለ ዝተኣማመኑ ንደቂ ብንያም ረሓቑሎም። እቶም ሕቡኣት ተዋጋእቲ ድማ ብጕያ ናብ ገባዖን ጥሒሶም ኣትዮም፥ ንህዝቢ እታ ኸተማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም። ደቂ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዝለዓል ክገብሩ ምስቶም ዝተሓብኡ ተዋጋእቲ ተሰማሚዖም ነበሩ። ደቂ ብንያም ከዓ “ብርግፅ ከምቲ ቐዳማይ ውግእ ተስዒሮም እዮም” በሉ እሞ ኽወቕዕዎምን ክቐትልዎምን ጀመሩ። ካብ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ሞቱ። እቲ ምልክት፥ በቲ ዓምዲ ትኪ፥ ካብታ ኸተማ ኽዓርግ ምስ ጀመረ፥ ደቂ ብንያም ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ኻብ ኵላ እታ ኸተማ ሃልሃልታ ንሰማይ ይዓርግ ነበረ። ሽዑ ደቂ እስራኤል ገፆም መለሱ፤ ሰብ ብንያም ከዓ ጥፍኣቶም ከም ዝበፅሐ ረአዩ እሞ ተሸበሩ። ስለዙይ ካብ ቅድሚ ሰብ እስራኤል ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሎም ሃደሙ፤ እቲ ዂናት ግና እግሪ እግሮም ሰዓቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወፁ ድማ ኣማእኺሎም ቀተልዎም። ንደቂ ብንያም ከቢቦም ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ መንፅር ገባዖን ኣሳጐጕዎም፤ ኣርኪቦምውን ወድእዎም። ካብ ሰብ ብንያም ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ወደቑ። እዚኣቶም ኵሎም ከዓ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። ተመሊሶም ድማ ንምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ ኰዅሒ ሪሞን ሃደሙ። እስራኤላውያን ግና ኻብኣቶም ኣብ መንገድታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ። ክሳዕ ጊድዖም ስዒቦምውን ክልተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ። እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ደቂ ብንያም ዝወደቑ ዅሎም፥ ሰይፊ ዝሓዙ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ኮኑ። እዚኣቶም ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ግና ንምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ ኰዅሒ ሪሞን ሃደሙ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ። ሰብ እስራኤል ድማ ናብቶም ዝተረፉ ደቂ ብንያም ተመሊሶም፥ ንሰብን ከፍትን ንዅሉ ዝረኸብዎን፥ ብስሕለት ሰይፊ ቐተሉ። ንዝረኸብወን ኵለን ከተማታትውን ብሓዊ ኣባርዕወን። ደቂ እስራኤል “ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዕዋ” ኢሎም ኣብ ሚፅጳ ተመሓሒሎም ነበሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤቴል መፁ። ኣብኣ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐመጡ፤ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ። “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ እስራኤል፥ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ክጐድልስ፥ ስለ ምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል እዙይ ዝኾነ?” ድማ በሉ። ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ። ደቂ እስራኤል ድማ፦ “ናብ እግዚኣብሄር ናብ ምፅጳ ዘይድይብ ብርግፅ ይቀተል” ኢሎም ፅኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ “ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብቲ ጉባኤ፥ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቑ። ደቂ እስራኤል ከዓ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ደቂ ብንያም ዝተፈፀመ ተናሲሖም “ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ጠፍአ። ንሕና ኻብ ኣጓላትና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፥ እዞም ተሪፎም ዘለዉ፥ ኣንስቲ ኽረኽቡስ፥ እንታይ ንግበረሎም?” በሉ። “ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምፅጳ ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ከዓ ጠየቑ። እንሆ ኸዓ ኻብ ኢያቢስ ገለዓድ ናብ ሰፈር፥ ናብታ ጉባኤ ሓደ እኳ ዝመፀ ኣይነበረን። እቲ ህዝቢ ምስ ተቘፀረ እንሆ፥ ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ጉባኤ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም “ኬድኩም ነቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ምስ ኣንስትን ህፃናትን ብስሕለት ሰይፊ ቕተልዎም። ክትቀትሉ እንተለኹም ከዓ፥ ንዅሉ ተባዕታይን ንዅለን ምስ ተባዕታይ ዝደቀሳ ኣንስትን ቅተሉ” ኢሎም ኣዘዝዎም። ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ዘይፈልጣ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ደናግል ኣጓላት ረኸቡ። ንሳቶም ከዓ ንኣኣተን ናብ ሰፈር፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ኣምፅእወን። ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዝነበሩ ህዝቢ ናብቶም ኣብ ኰዅሒ ሪሞን ዝነበሩ ደቂ ብንያም ልኢኾም “ንተዓረቕ” ኢሎም ቃል ሰላም ነገርዎም። በታ ጊዜ እቲኣ ደቂ ብንያም ተመለሱ። ደቂ እስራኤል ከዓ ነተን ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ብህይወት ዝሓደግወን ኣንስቲ ሃብዎም፤ ግና ኣይኣኸላኦምን። እቶም ህዝቢ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ፍልልይ ስለ ዝገበረ፥ በቲ ንደቂ ብንያም ዝረኸቦም ተናስሑ። እቶም ዝተኣከቡ ዓበይቲ ኸዓ “ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጠፊአን እየን እሞ፥ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኽረኽቡስ እንታይ ንግበር?” በሉ። “ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ፈፂሙ ኸይጠፍእ፥ እዞም ካብ ብንያም ተሪፎም ዘለዉ፥ ሓድጊ ኸም ዝህልዎም ይኹኑ። እንተ ኾነ ንሕና ደቂ እስራኤል ‘እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዝህብ ርጉም ይኹን’ ኢልና ምሒልና ስለ ዝነበርና፥ ካብ ኣጓላትና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን ኢና” ድማ በሉ። “ሕዚ ኸዓ ኣብታ ንቤቴል ብሰሜና፥ ነታ ኻብ ቤቴል ንሴኬም እተድይብ መንገዲ ብምብራቓ፥ ንለቦና እውን ብደቡባ ኣብ ዘላ ሴሎ፥ በዓል እግዚኣብሄር በብዓመቱ ይግበር እዩ” በሉ። ንደቂ ብንያም ከዓ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተሓብኡ። እንሆ ኸዓ፥ እተን ኣጓላት ሴሎ እናሳዕስዓ እንትወፃ ምስ ረአኹም፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይንታት ወፂእኹም፥ ካብተን ኣጓላት ሴሎ ሓሓንቲ ዘርፉ፤ ናብ ምድሪ ብንያም ከዓ ኺዱ። ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኽጠርዑ እንተ መፁ ድማ ‘ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ስለ ዘይረኸብናሉ፥ በይዛኻትኩም፥ ነዘን ኣጓላትኩም ሃቡ። ንስኻትኩም ንኣኣተን ብፍታው ኣይሃብኩምዎምን እሞ በደልቲ ኣይትኾኑን ኢኹም’ ክንብሎም ኢና።” ደቂ ብንያም ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ካብተን ዝስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፥ ከምቲ ቝፅሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከይዶም ከዓ ናብ ርስቶም ተመለሱ። ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣብኣተን ተቐመጡ። ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ጊዜ እቲኣ ነናብ ዓሌቶምን ነናብ ነገዶምን ነናብ ርስቶምን ተመለሱ። በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል፥ ንጉስ ኣይነበረን። ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኾይኑ ዝተርኣዮ ይገብር ነበረ። በቲ መሳፍንቲ ዝገዝኡሉ ዝነበረ ዘመን፥ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ክልተ ደቁን ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ናብ ምድሪ ሞኣብ ክቕመጥ ከደ። ስም እቲ ሰብኣይ ኣቤሜሌክ፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኑሓሚን፥ ስም ክልቲኦም ደቁውን መሓሎን ኬሌዎንን ይብሃሉ ነበሩ። ንሳቶም ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝቕመጡ ኤፍራታውያን ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ ከይዶም ከዓ ኣብኣ ተቐመጡ። ኣቤሜሌክ ሰብኣይ ኑሓሚን ድማ ሞተ እሞ፥ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። ንሳቶም ከዓ ሓንቲ ዖርፋ ዝስማ፥ ሓንቲ ኸዓ ሩት ዝስማ ሞኣባውያት ኣንስቲ ኣእተዉ። ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣብኡ ምስ ተቐመጡ፥ መሓሎንን ኬሌዎንን ክልቲኦም ሞቱ። ኑሓሚን ድማ ሰብኣያን ክልቲኦም ደቃን ስለ ዝሞቱ በይና ተረፈት። ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝተመልከቶም፥ እንጀራውን ከም ዝሃቦም ሰምዐት እሞ፥ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ክትምለስ ተልዓለት። ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ከዓ ኻብታ ዝነበረታ ቦታ ወፂኣ ነታ ናብ ምድሪ ይሁዳ እትወስድ መንገዲ ሓዘት። ኑሓሚን ከዓ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ “ኪዳ፥ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ገዛ እኖታትክን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ምዉታትን ንኣይን ፅቡቕ ዝገበርክናኦ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻትክንውን ፅቡቕ ይግበረልክን። ሽዑ ሰዓመተን፤ ንሳተን ከዓ ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ፤ “ኣይፋልናን፤ ምሳኺ ናብ ህዝብኺ ኽንምለስ ኢና” በላኣ። ኑሓሚን ግና “ደቀይ! ንምንታይ ኢኽንከ ምሳይ እትኸዳ? ተመለሳ ደኣ፥ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ? ደቀይ! ሰብኣይ ከየእቱ ኣሪገ እየ፤ ኪዳ ደኣ ተመለሳ። ተስፋ እንተ ዝህልወኒ፥ አረ ሎሚ ለይቲ እኳ ሰብኣይ እንተ ዘእቱሞ፥ ኣወዳት ከዓ እንተ ዝወልድ፥ ንሳቶም ክሳዕ ዝዓብዩዶ ኽትፀንሓ ኢኽን? ምእንቲ እዙይከ እንተይተመርዖኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን? ኣይፋልክንን፤ ደቀይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ቀፂዑኒ ኣሎ እሞ፥ ካብ ንኣኻትክንስ ንኣይ ኣዐርዩ ይመርር” በለተን። ሽዑ መሊሰን ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርፋ ንሓማታ ሰዓመታ፤ ሩት ግና ምስኣ ተፀግዐት። ኑሓሚን ድማ “ሰበይቲ ሓሙትኪ እኒሃ፥ ናብ ህዝባን ናብ ኣማልኽታን ተመሊሳ ኣላ፤ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ” በለታ። ሩት ግና “ንኣኺ ሓዲገ ንድሕሪት ክምለስ ኣይተገድድኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ፤ ኣብ እትነብርሉ ኸዓ እነብር፤ ህዝብኺ ህዝበይ፥ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ ክኸውን እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት፥ ኣብኣ ድማ እቕበር፤ ኣነ ብሞት እንተ ዘይኮይኑ፥ ካባኺ እንተ ተፈልየ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይ ከዓ ይወስኸኒ” በለት። ኑሓሚን፥ ሩት ምስኣ ኽትከይድ ከም ዝቘረፀት ምስ ረአየት፥ ምዝራብ ሓደገት። ክልቲአን ናብ ቤተ ልሔም ተጕዓዛ። ናብ ቤተ ልሔም ምስ ኣተዋ ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ተገሪሙ ብምሉኡ ወፀ። “እዚኣስ እምበርዶ ኑሓሚን እያ” እናበሉ ዋጭ ዋጭ በሉ። ንሳ ድማ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንህይወተይ ብዙሕ ከም እትመርር ገይርዋ እዩ እሞ፥ ማራ ክኸይድ እንተለኹ ምሉእ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና በይነይ መለሰኒ። እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፈሪዱ መከራ ኻብ ኣውረደለይ ስለ ምንታይ ኑሓሚን ትብሉኒ ኣለኹም?” በለቶም። ኑሓሚን ተመለሰት፤ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ሩት ከዓ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ኣብ ቤተ ልሔም ዝበፅሓሉ ጊዜ መጀመርታ ዓፂድ ስገም ነበረ። ቦኤዝ ዝበሃል ዘመድ ኣቤሜሌክ ሰብኣያ ንኑሓሚን፥ ሃብታምን ፍሉጥን ሰብኣይ ነበረ። ኑሓሚን ከዓ “ጓለይ ኪዲ” በለታ። ንሳ ኸይዳ ናብ ግራት ኣትያ፥ ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ ኽትቅርም ጀመረት። እቲ ግራት ከዓ ናይቲ ዘመድ ኣቤሜሌክ ዝኾነ ቦኤዝ ነበረ። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በልዎ። ቦኤዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓፃዶ ሓላፊ ንዝነበረ ሓሽከሩ “እዛ መርዓት እዚኣ እንታወይቲ እያ?” በሎ። ንሱ ድማ “ንሳ ምስ ኑሓሚን ካብ ምድሪ ሞኣብ ዝመፀት ሞኣባዊት እያ። ‘ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ፥ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፥ ቀሪምዶ ኽቕርምን ክኣርን በይዛኻ ፍቐደለይ?’ በለትኒ። ሕዚ እያ ቑሩብ ኣብ ፅላል ኣዕሪፋ ዘላ እምበር ንግሆ ምስ መፀት ክሳዕ ሕዚ ደው ኣይበለትን” ኢሉ መለሰ። ሽዑ ቦኤዝ ንሩት “ስምዒ እዛ ጓለይ! ነዘን ኣገልገልተይ እናተኸተልኪ ድኣ ቐርሚ እምበር፥ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ። ኣበየናይ ግራት ከም ዝዓፅዱ ርኢኺ ደድሕሪኣቶም ሰዓቢ። ነቶም ኣገልገልተይ ከይነኽኡኺ ኣዚዘዮም ኣለኹ። ማይ እንተ ፀምአኪ ድማ ናብቲ እቶም ኣገልገልተይ ቀዲሖም ዝሰትዩሉ ዕትሮታት ኬድኪ ስተዪ” በላ። ሽዑ ንሳ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፤ “ኣነ ጋሻ እንትኸውን ብኣይ ንኽትግደስ ከመይ ኣብ ቅድሜኻ ዕድል ረኸብኩ?” በለቶ። ቦኤዝ ድማ “እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክዮን፥ ኣቦኽን እኖኽን ዝተወለድክላ ምድርን ከም ዝሓደግኪ፥ ቀደም ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ኸም ዝመፃእኺ ሰሚዐ እየ። ነቲ ዝገበርክዮ ፅቡቕ ተግባር እግዚኣብሄር ዋጋኺ ይኽፈልኪ፤ ዓስብኺ ኸዓ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትፅግዒ ኢልኪ መፂእኽዮ ዘለኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ምሉእ ይኹን” በላ። ንሳ ኸዓ “ጐይታይ፥ ከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፥ ንግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ንልቢ ግዝእትኻውን ኣሕጒስካ ኢኻሞ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለት። ጊዜ ምሳሕ ምስ ኮነ፥ ቦኤዝ “ናብዙይ ቅረቢ እሞ እንጀራ ቘሪስኪ ኻብዝ መፂፅ ፀብሒ እዙይ እናፀባሕኺ ብልዒ” በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓፃዶ ተቐመጠት፥ ጥቡስ ሸዊት ከዓ ሃባ፤ ንሳ ድማ በልዐት፤ ፀጊባውን ኣትረፈት። ክትቅርም ምስ ተስአት ድማ፥ ቦኤዝ ነቶም ግዙኣቱ፥ “ኣብ ማእኸል እንዳእቲ እኳ እንተ ቐረመት ኣይተሰቅቕዋ፤ ካብ ዕትሪ መሲትኩም ከዓ ኽትኣርዮ ሕደጉላ እምበር ኣይትዀርዩላ” ኢሉ ኣዘዞም። ኣብቲ ግራት ከዓ ኽሳዕ ምሸት እናቐረመት ወዓለት። ነቲ ዝቐረመቶ ድማ ዘበጠቶ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ኾነ። ፆይራቶ ከዓ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ሓማታ ድማ ነቲ ዝቐረመቶ ረአየት። ሩት ከዓ ነቲ ኻብ ምሳሕ ዘትረፈቶ ኣውፂኣ ሃበታ። ንሳ ኸዓ “ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝሰራሕኹ ሰብኣይ ቦኤዝ እዩ” ኢላ ምስ መን ከም ዝሰርሐት ንሓማታ ነገረታ። ኑሓሚን ንሰበይቲ ወዳ “እቲ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘየቋረፀ እግዚኣብሄር ይባረኽ” በለት። መሊሳ ድማ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ቀረባ ዘመድና እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ዝረድኡናን ዝወርሱናን እዩ” በለታ። እታ ሞኣባዊት ሩት ከዓ “ንሱስ ‘ብዘሎ ዓፂደይ ክሳዕ ዝውዳእ ካብቶም ኣገልገልተይ ኣይትፈለዪ’ ኢሉኒ” በለታ። ኑሓሚን ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ “ጓለይ፥ ምስተን ኣገልገልቱ እንተ ወፈርኪ ኣብ ካልእ ግራት እንተ ዘይረኸቡኺ ፅቡቕ እዩ” በለታ። ሩት ከዓ፥ ዓፂድ ስገምን ዓፂድ ስርናይን ክሳዕ ዝውዳእ፥ ምስተን ኣገልገልቲ ቦኤዝ ኮይና ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት። ኑሓሚን ሓማታ ድማ ንሩት፦ “ጓለይ፥ ፅቡቕ ክኾነልኪ ዕረፍቲዶ ኣይደልየልክን እየ? ሕዚ ኸዓ እቲ ምስተን ኣገልገልቱ ትውዕሊ ዝነበርኪ ቦኤዝስ ቀረባ ዘመድናዶ ኣይኮነን? እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ ብመስአ የዝሩ ኣሎ። እምበኣር ተሓፂብክን ሽቱ ተቐቢእኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዝውድእ ግና ኣይትረአዪዮ። ኣበይ ከም ዝድቅስ ፍለጢ፥ ምስ ደቀሰ ኼድኪ ብወገን እግሩ ቐሊዕኺ ደቅሲ ሩት ድማ “ዝበልክኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በለታ። ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፥ ከምቲ ሓማታ ዝበለታ ዅሉ ገበረት። ቦኤዝ በልዐን ሰተየን፥ ደስውን በሎ፤ ኣብ ፀግዒ ዅልሳስ ኽድቅስ ከዓ ኸደ። ሽዑ ሩት ቀስ ኢላ መፂኣ ብወገን እግሩ ቐሊዓ ደቀሰት። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ኸዓ ቦኤዝ ደንጊፁ ተበራበረ፤ ምስ ተገምጠለ ድማ እንሆ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት። ንሱ ኸዓ “መን ኢኺ?” ኢሉ ጠየቓ። ንሳ ድማ “ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ረዳእን ወራስን ስለ ዝኾንካ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ” ቦኤዝ ከዓ “ኣቲ ጓለይ! ደድሕሪ ሃብታማት ኮነ ድኻታት መናእሰይ ስለ ዘይሰዓብኪ፥ ካብቲ ቐዳማይ ቅንዕናኽስ እቲ ዳሕረዋይ በሊፁ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ። ሕዚ ድማ ጓለይ! ኣይትፍርሒ፤ ለባም ሰበይቲ ምዃንኪ ዅሎም ደቂ ዓደይ ስለ ዝፈልጡ ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ። ሕዚ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ኣነ ወራሲኺ እየ፤ ግና ኻባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ። ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፥ ፅባሕ ድማ ንሱ እንተ ወረሰኪ፥ ፅቡቕ፥ ይውረስኪ። ክወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፥ ኣነ ኸም ዝወርሰኪ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ሕዚ ግና ኽሳዕ ዝወግሕ ደቅሲ” በላ። ክሳዕ ዝወግሕ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት። ንሱ ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመፀት ኣይፈለጥ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ገና ሰብ ምስ ሰብ እንተይተረኣኣየ ኣንጊሃ ተስአት። ቦኤዝ ግና “እቲ ተኸዲንክዮ ዘለኺ ነፀላ ሃቢ ዘርግሒዮ” በላ። ንሳ ድማ ዘርግሐቶ። ንሱ ኸዓ ዕስራ ኪሎ ግራም ዝኸውን ስገም ሰፊሩ ኣሰከማ። ናብ ከተማ ኸዓ ኣተወት። ሩት ከዓ እቲ ዅሉ ቦኤዝ ዝገበረላ ነገረታ። “ናብ ሓማትኪ ጥራሕ ኢድኪ ኸይትኣትዊ ኢሉ እዝ ዕስራ ኪሎ ዝኸውን ስገም እዙይ ሂቡኒ” ድማ በለት። ኑሓሚን ከዓ፥ “ቦኤዝ ነዝ ነገርዙይ ሎሚ እንተይፈፀመ ኣይዓርፍን እዩ እሞ፥ እቲ ነገር ከመይ ከም ዝውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ” በለታ። ቦኤዝ ድማ ናብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዱ ኾፍ በለ። እንሆ ከዓ፥ እቲ ቦኤዝ ብዛዕባኡ ዝተዛረበሉ ናይ ቀረባ ዘመድ ይሓልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ ፀዊዑ “ኣግልስ እሞ ቕርብ ኢልካ ኣብዙይ ተቐመጥ” በሎ። ንሱ ኸዓ ቕርብ ኢሉ ተቐመጠ። ቦኤዝ ድማ ኻብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብ ፀዊዑ “ኣብዙይ ተቐመጡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ተቐመጡ። ሽዑ ቦኤዝ ነቲ ወራሲ ቐረባ ዘመዱ “እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ዝተመለሰት ኑሓሚን፥ ነቲ ገራሁ ኣቤሜሌክ ሓውና፥ ክትሸጦ ስለዝደለየት፥ ንሱ ኸዓ “ክዕድጎ እየ” በለ። ቦኤዝ ድማ “በታ ነታ ግራት ካብ ኑሓሚን እትዕድገላ መዓልቲ፥ እቲ ርስቱ ብስም እቲ ምዉት ምእንቲ ኽፅዋዕ፥ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ እቲ ምዉት ክትወስዳ ኢኻ” በሎ። እቲ ናይ ቀረባ ዘመድውን “ርስተይ ከየባላሹስ ኣይወርሳን እየ። ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ ንስኻ ውረሳ” በሎ። ቀደም ኣብ እስራኤል፥ ኣብ ምውራስን ኣብ ምልዋጥን፥ ኵሉ ነገር ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ሰብ ሳእኑ ኣውፂኡ ነቲ ብፃዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። በዙይ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ። እቲ ናይ ቀረባ ዘመድ ከዓ ንቦኤዝ “ንስኻ ዓድጎ” በሎ፤ ሳእኑውን ኣውፅአ። ቦኤዝ ከዓ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን፥ “ንኣቤሜሌክን ንክልዎንን ንመሓሎንን ዝነበረ ዅሉ፥ ካብ ኑሓሚን ከም ዝዓደግክዎ፥ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። ስም እቲ ምዉት ድማ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቱን ካብ ዝኽሪ ዓዱን ከይጠፍእ፥ ርስቲ እቲ ምዉት ብስሙ ምእንቲ ኽፅዋዕ ኢለ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን፥ ሰበይተይ ክትኮነኒ ኸም ዝወሰድክዋ ሎሚ ምስክር ኢኹም” በሎም። እቶም ኣብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ከዓ፥ “መሰኻኽር ኢና፥ ነዛ ናብ ገዛኻ እትኣቱ ሰበይቲ፥ እግዚኣብሄር ከምተን ብሓደ ኾይነን ንቤት እስራኤል ዝሃነፃ፥ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ንስኻ ኸዓ ኣብ ኤፍራታ ሃፍታም ኩን፤ ኣብ ቤተ ልሔምውን ስምካ ይፀዋዕ። ነቶም ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝውለዱ እግዚኣብሄር ይባርኸልካ። ስድራኻ ድማ ኸምቲ ኻብ ይሁዳን ካብ ትእማርን ዝተወልደ ስድራ ፋሬስ ይግበረልካ” በሉ። ሽዑ ቦኤዝ ንሩት ወሰዳ፤ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣውን ኣተወ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ባረኻ እሞ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። እተን ኣንስቲ ኸዓ ንኑሓሚን “ሎሚ ወራሲ ኣይከልአክን እሞ እግዚኣብሄር ይባረኽ፤ እዝ ቘልዓ እዙይ ድማ ኣብ ኵሉ እስራኤል ስሙ ይፀዋዕ። እታ እተፍቅረክን ካብ ሸውዓተ ወዲ እትበልፅን ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፥ ንሱ ነፍስኺ ዝሕድስን ኣብ እርጋንኪ ዝምግበኪ ክኸውን እዩ” በላኣ። ኑሓሚን ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ሓቘፈቶ፤ ሞግዚቱውን ኮነት። እተን ጐረባብታ ኸዓ “ንኑሓሚን ወዲ ተወሊዱላ” ብምባል ኢዮቤድ ኢለን ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ እዩ፤ እሴይ ከዓ ኣቦ ዳዊት እዩ። ትውልዲ ፋሬስ እምበኣር እዙይ እዩ፦ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፤ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፤ ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፤ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፤ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፤ ሰልሞን ንቦኤዝ ወለደ፤ ቦኤዝ ንኢዮቤድ ወለደ፤ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፤ እሴይ ከዓ ንዳዊት ወለደ። ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ። ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ። ስም እታ ሓንቲ ሃና፥ ስም እታ ኻልአይቲ ኸዓ ፍናና ነበረ። ንፍናና ውሉድ ነበርዋ፤ ንሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን። ሕልቃና ኸዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግድን መስዋእቲ ኸቕርብን በብዓመት ካብ ከተማኡ ናብ ሴሎ ይድይብ ነበረ። ካህናት እግዚኣብሄር ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኣፍኒንን ፊንሃስን፥ ኣብኡ ነበሩ። እታ ሕልቃና መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ኽትበፅሕ እንተላ፥ ንፍናና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳትን ኣጓላትን ደቃ፥ ካብቲ መስዋእቲ ገግደኦም ሃቦም። ንሃና ግና፥ እግዚኣብሄር ማህፀና ዓፅዩ እኳ እንተ ነበረ፥ ስለ ዝፈትዋ ዕፅፊ ገይሩ ግደኣ ሃባ። እግዚኣብሄር ማህፀና ዓፅዩ ነበረሞ፥ እታ ብፀይታ ፍናና ምእንቲ ኽተዀርያ መመሊሳ ትሕጭጨላ ነበረት። ንሱ በብዓመቱ እዙይ ብዝገበረ ቝፅሪ፥ ንሳውን በብዓመቱ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብዝደየበትሉ ቝፅሪ፥ ተበሳጭዋ ነበረት፤ ሃናውን ትበኪ ነበረት፤ ዝኾነውን ኣይትጥዕምን ነበረት። ሰብኣያ ሕልቃናውን “ሃና፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ? እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ? እንታይ ኴንኪኸ ትጕህዪ ኣለኺ? ንምንታይ ልብኺ ይሓዝን? ካብ ዓሰርተ ውላድ፥ ኣነዶ ኣይሕሸክን?” በላ። ኣብ ሴሎ በሊዖምን ሰትዮምን ምስ ወድኡ ሃና ተስአት። ካህን ኤሊ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ። ሃና ኸዓ ብልባ ኣምሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፤ “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት። ሃና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንዊሓ ኽትፅሊ እንተላ፥ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። ሃና፥ ብልባ እንትትፅሊ ኸናፍራ ጥራሕ ይንቀሳቐስ ነበረ እምበር፥ ድምፃ ኣይተሰምዐን፤ ስለዙይ ኤሊውን ሰኺራ ግዲ እያ ኢሉ ሓሰበ። መሊሱውን “እዝ ስኽራንኪ ኽሳዕ መኣዝ ኢዩ? ደጊምስ ንወይንኺ እባ ኻባኺ ኣርሕቒዮ” በላ። ንሳ ግና “ጐይታይ፥ ኣይፋለይን፤ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኣ ሰበይቲ እየ እምበር፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይሰተኹን፤ ብፀሎት ደኣ ጭንቀይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍስስ ኣለኹ። እቲ ኽሳዕ ሕዚ ዘዛረበንስ፥ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፥ ንኣይ ንኣገልጋሊትካ ኸም ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኣይትቝፀረኒ” ኢላ መለሰትሉ። ሽዑ ኤሊ “ብሰላም ኪዲ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኵሉ ዝለመንክዮ ልመና ይሃብኪ” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለቶ። መንገዳ ኸደት፤ በልዐትውን፤ ድሕሪዙይ ጓሂ ዝብልዎ ኣብ ገፃ ኣይተርኣየን። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፤ ተመሊሶም ከዓ ናብ ቤቶም ናብ ኣርማቴም ኣተዉ። ሕልቃና ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፤ እግዚኣብሄርውን ዘከራ። ኣዋርሕ ጥንሳ ምስ ተፈፅመ ሃና ወዲ ወለደት። “ካብ እግዚኣብሄር ለሚነ ዝረኸብክዎ እዩ” እንትትብል ሳሙኤል በለቶ። ሕልቃና ድማ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብፅዓኡን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ሴሎ ደየበ። ሃና ግና ኣይደየበትን፤ ንሰብኣያ ሕልቃና ድማ “ኣነስ፥ እዝ ህፃን ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ፥ ናብ ሴሎ ኣይድይብን እየ፤ ጡብ ምስ ሓደገ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክረአ፥ ከብፅሖ እየ፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣብኡ ኽነብር እዩ” በለቶ። ሕልቃና ድማ “ፅቡቕ መሲሉ ዝተርኣየኪ ግበሪ፤ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ፅንሒ፤ እግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓኺ ይፈፅመልኪ” በላ። ንሳ ድማ ተረፈት፤ ወዳ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ከዓ እናጥበወት ኣብ ገዛኣ ተቐመጠት። እቲ ህፃን ጡብ ምስ ሓደገ ኸዓ፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ዝራብዕን ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፥ ወዳ ሒዛ ናብ ሴሎ ደየበት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ህፃን ገና ንእሽተይ ነበረ። ነቲ ዝራብዕ ምስ ሓረድዎ ነቲ ህፃን ናብ ኤሊ ኣምፅእዎ። ሃና ኸዓ “ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፥ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር ትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ። ነዝ ህፃንዙይ ክህበኒ እየ ዝልምን ዝነበርኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ እቲ ዝለመንክዎ ሂቡኒ። ስለዙይ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣለኹ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ንእግዚኣብሄር ተውሂቡ እዩ” በለት። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ። ብምድሓንካውን ተሓጐስኩ። ከም ኣምላኽና ዝበለ ኰዅሒ ኸዓ የለን። እግዚኣብሄር ንግብርታትውን ይመዝን እዩሞ። ነቶም ድኹማት ከዓ ሓይሊ ኣዕጠቖም። እታ ብዙሕ ዝወለደት ግና ደኸመት። ናብ ሲኦል የውርድ፤ መሊሱ ኸዓ የውፅእ። የዋርድ፤ ልዕል ልዕልውን የብል። ንዓለም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ ኣሎ። ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩሞ። ንቐርኒ መሲሑ ኸዓ ልዕል ልዕል የብሎ።” ድሕሪዙይ ሕልቃና ናብ ገዛኡ ናብ ኣርማቴም ከደ። እቲ ህፃን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። ደቂ ኤሊ ግና ኽፉኣት ነበሩ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄርውን ኣይነበሮምን። እቶም ካህናት ካብቲ ህዝቢ ኸምዙይ ዝበለ ልማድ ነበሮም፦ ዝኾነ ሰብ መስዋእቲ ሕሩድ እንትስውእ፥ ገና እቲ ስጋ እናበሰለ እንተሎ፥ ሓሽከር እቲ ኻህን ሰለስተ ዘፃፍሩ መቝለብ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመፅእ እሞ፥ ናብቲ ኣብ ቍራዕ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ መቝሎ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ ድስቲ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ ፃሕሊ ዘሎ ስጋ ይወግእ፤ እቲ መቝለብ ዘልዓሎ ዝኾነ ስጋ ኸዓ እቲ ኻህን ንባዕሉ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሴሎ ዝመፁ ዅሎም እስራኤላውያን ከምዙይ ይገብርዎም ነበሩ። ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ እንተለዉውን፥ ሓሽከር እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መፂኡ “እቲ ኻህን ጥረ ስጋ ደኣ እምበር፥ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፥ ዝጥበስ ስጋ ሃበኒ” ይብሎ ነበረ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ “ቅድም እቲ ስብሒ ይሕረር፤ ደሓር ዝደለኻዮ ትወስድ” እንተ በሎ፥ ንሱ ኸዓ “ኣይኾንን፤ ሕዚ ደኣ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ብሓይሊ ኽወስድ እየ” ይብሎ ነበረ። እቶም ደቂ ኤሊ በዝ ኸምዙይ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቕዎ ስለ ዝነበሩ፥ ሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ዓብዪ ነበረ። ሳሙኤል ግና ገና ብቘልዑኡ እንተሎ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። እኖኡ ድማ፥ እቲ በብዓመት እትስውኦ መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርብ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ እንተላ፥ ንእሽተይ ቀሚሽ ሰፍያ በብዓመት ተምፅአሉ ነበረት። ኤሊ ድማ ንሕልቃናን ንሰበይቱን ይምርቖም ነበረ። ንሕልቃና ኸዓ “ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘወፈየቶ፥ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሃብካ” ይብሎ ነበረ። ብድሕሪኡ ናብ ቦታኦም ይምለሱ ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሃና ዘከራ፤ ንሳ ድማ ጠነሰት፤ ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣጓላትን ከዓ ወለደት። ህፃን ሳሙኤል ድማ ንእግዚኣብሄር እናገልገለ ዓበየ። ኤሊ ኸዓ የመና ኣረገ፤ እቶም ደቁ ኣብ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን፥ ምስተን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግላ ኣንስቲ ኸም ዝድቅሱን ሰምዐ። ንኣኣቶም ከዓ “እዝ ካብ ኵሉ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘለኹ ኽፉእ፥ ግብርኹምስ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኹም ኸምዙይ ዝበለ ነገር እትገብሩ ዘለኹም? ኣይፋልኩምን ደቀይ፥ እቲ ብዛዕባ ንህዝቢ እግዚኣብሄር እትገብርዎ ዘለኹም እሞ ኣነ ኸዓ ዝሰምዖ ዘለኹ ወረ ፅቡቕ ኣይኮነን። ሰብ ንሰብ እንተ በደለ፥ እግዚኣብሄር የተዓርቖ፤ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደለኸ መን የተዓርቖ?” በሎም። እግዚኣብሄር ከጥፍኦም ስለ ዝደለየ ግና፥ ዘረባ ኣቦኣቶም ኣይሰምዑን። ህፃን ሳሙኤል ከዓ እናዓበየን፥ ብእግዚኣብሄርን ብሰብን ድማ ሞገስ እናረኸበን ከደ። ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናብ ኤሊ መፂኡ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ግብፂ ኣብ ግዝኣት ፈርዖን እንተለዉ፥ ንነገድ ኣቦኻ ብርግፅ ተገሊፀሎም ነይረ። ኣቦኻ ኣሮን ካህነይ ኮይኑ ናብ መሰውእየይ ክድይብ፥ ዕጣን ክዓጥን፥ ኤፉድ ተዓጢቑ ኸገልግለኒ ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ሓርየዮ ነይረ። ኵሉ ብሓዊ ዝቐርብ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ እውን ንቤት ኣቦኻ ሂበዮ ነይረ። ነቲ ኣብ ማሕደረይ ክቐርብ ዝኣዘዝክዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምግብን ደኣ ስለ ምንታይ ኢኹም እትረግፅዎ ዘለኹም? ካብ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩዎ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል ዘዝበለፀ በሊዕኹም ምእንቲ ኽትሃጥሩስ፥ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ?’ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ከገልግሉኒ እዮም ኢለ ነይረ’ ደጊም ግና ‘ኣይኸውንን፤ ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም፤ እዙይስ ካባይ ይርሓቕ’ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ ኣብ ቤትካ ሽማግለ ምእንቲ ኸይርከብ፥ ቅልፅምካን ቅልፅም ቤት ኣቦኻን ዘጥፍአለን መዓልቲታት ክመፃ እየን። ኣብ ኵሉ በረኸት እስራኤል፥ ንስኻ ኣብ መሕደሪየይ ፀላኢኻ ኽትርኢ ኢኻ፤ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ሽማግለ ኣይርከብን እዩ። እቲ ኣነ ኣብ መሰውእየይ ከገልግል ብህይወቱ ዝሓድጎ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምጥፋእ፥ ነፍስኻውን ንምምንማን ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ኣብ ቤትካ ዝተወለደ ኸዓ ብጕብዝናኡ ክመውት እዩ። “እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ኣፍኒንን ፊንሓስን ዝመፅእ፥ ምልክት ክኾነካ እዩ፤ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኽሞቱ እዮም። ኣነ ኸዓ ኸም ልበይን ከም ሓሳበይን ዝገብር እሙን ካህን ከተስእ እየ፤ ንእኡ ፅኑዕ ቤት ከቑመሉ እየ፤ ንሱውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቐባእክዎ ኸገልግል እዩ። እቲ ኵሉ ኻብ ቤትካ ዝተረፈ ኸዓ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ቍራስ እንጀራን ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ኽሰግድ እዩ፤ ‘ቍራስ እንጀራ ምእንቲ ኽበልዕስ፥ በይዛኻ እንዶ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት መድበኒ’ እናበለ ድማ ኽልምኖ እዩ።” ህፃን ሳሙኤል ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በቲ ዘመን እቱይ ቃል እግዚኣብሄር ብርቂ ነበረ፤ ራእይውን ኣይግለፅን ነበረ። እቲ ኣዒንቱ ደኺመን ክዓውር ቀሪቡ ዝነበረ ኤሊ ኣብ መደቀሲኡ ደቂሱ ነበረ። ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ ድንኳን ደቂሱ ነበረ። እታ ኣብ ድንኳን እትበርህ መብራህቲ ኸይጠፍአት እንተላ፥ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ። ጐይዩ ናብ ኤሊ ኸይዱ ድማ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። ሳሙኤል ከዓ ተመሊሱ ደቀሰ። እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ፀውዖ፤ ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ወደይ፥ ኣነስ ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደቅስ” በሎ። ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈልጦን ነበረ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይተገለፀሉን ነበረ። ሽዑ ኤሊ፥ ነቲ ቘልዓ እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዖ ኣስተውዓለ። ኤሊ ኸዓ “ኪድ ደኣ ደቅስ፤ እንተ ፀውዐካ ‘ኦ ጐይታ! ኣገልጋሊኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ’ በሎ” ኢሉ ነገሮ። ሳሙኤል ከዓ ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ። ሳሙኤል ከዓ፥ “ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ” በሎ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኵሉ እስራኤል ንዝሰምዖ ነእዛኑ ዘስካሕክሕ ነገር ክገብር እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ስድራ ኤሊ ኽገብሮ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽፍፅሞ እየ። እቶም ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምፅኡ እናፈለጠ፥ ብዘይምኽልካሉ ስለ ዝበደለ፥ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርዳ ኣፍሊጠዮ እየ። ስለዙይ ከዓ፥ እቲ በደል ስድራ ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ምግቢ ንዘለኣለም ከም ዘይስረየሉ ምሒለ ኣለኹ።” ሳሙኤል ድማ ኽሳዕ ዝወግሕ ደቀሰ፤ ብድሕሪኡ መዓፁ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። እቲ ራእይ ንኤሊ ኸይነግሮ ግና ፈርሐ። ኤሊ ኸዓ ንሳሙኤል “ሳሙኤል ወደይ!” ኢሉ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” በለ። ኤሊ ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ? በይዛኻ ኣይትሕብአኒ። ካብቲ ዅሉ ዝተዛረበካ ሓደ እኳ እንተ ሓቢእኻለይ፥ ኣምላኽ ብብርቱዕ ይቕፃዕኻ” በሎ። ሽዑ ሳሙኤል እንተይሓብአ ኵሉ ነገሮ። ኤሊ ድማ “ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በለ። ሳሙኤል ከዓ ዓበየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ሳሙኤል ካብ ዝዛረቦ ቓል ሓደ እኳ ኣብ መሬት ኣይወድቕን ነበረ። ኵሉ እስራኤልውን፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሳሙኤል እሙን ነቢይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። እግዚኣብሄርውን መሊሱ ኣብ ሴሎ ተገልፀ፤ ብቓል እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ኣብ ሴሎ ይግለፅ ነበረ። ቃል ሳሙኤል ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል በፅሐ። ደቂ እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ኣቤንዔዘርውን ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ በርትዐ ድማ፥ እስራኤል ብፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ኣብቲ ዝተሰለፉሉ በረኻ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እስራኤላውያን ሞቱ። እቶም ተዋጋእቲ ናብ ሰፈሮም ምስ ተመለሱ፥ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፥ “ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ከም እንሰዓር ዝገበረና? እምበኣር ኣብ ማእኸልና ኾይኑ ኻብ ኢድ ፀላእትና ምእንቲ ኸድሕነና፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ሴሎ ናባና ነምፅኣዮ” በሉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፥ ኵሎም እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እትናወፅ ብዙሕ ዓለሉ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ እቲ ድምፂ ዕልልታ ምስ ሰምዑ “እዝ ኣብ ሰፈር ዕብራውያን ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ ብዙሕ ዕልልታስ እንታይ ኮን እዩ?” በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈሮም ከም ዝኣተወ ኸዓ ፈለጡ። ፍልስጥኤማውያን የመና ፈርሑ፤ “ኣምላኽ ናብ ሰፈሮም መፂኡ እዩ” እውን በሉ። ንሳቶም ከዓ “ቅድሚ ሕዚ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኮይኑ ኣይፈልጥን እሞ፥ ወይለና! ንግብፃውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ ምድረ በዳ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፥ ወይለና! ኻብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ከድሕነና እዩ? ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፥ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፥ ንስኻትኩም ከዓ ባሮት ዕብራውያን ከይትኾኑስ፥ ፅንዑ፤ ሰብኡት ኩኑ፤ እወ፥ ሰብኡት ኩኑ፤ ተዋግኡ” በሉ። ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። እቲ ውግእ ከዓ የመና በርትዐ እሞ፥ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ። ታቦት እግዚኣብሄር ተማረኸ፤ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን እውን ሞቱ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ብሓዘን ክዳውንቱ ቐዲዱ፥ ኣብ ርእሱ ሓመድ ነስኒሱ፥ ካብቲ ውግእ ናብ ሴሎ ጐይዩ መፀ። ንሱ ኽመፅእ እንተሎ፥ እንሆ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ተጨኒቑ ነበረ እሞ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ፥ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይ ዋይ በለት። ኤሊ ድማ ድምፂ እቲ ዋይ ዋይታ ምስ ሰምዐ፥ “እዝ ድምፂ ዋይ ዋይታ እዙይ እንታይ ኮን እዩ?” በለ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ቐልጢፉ ናብ ኤሊ መፂኡ ነገሮ። ኤሊ ግና ወዲ ተስዓን ሸሞንተን ዓመት ኮይኑ ነበረ እሞ፥ ኣዒንቱ ፈዚዘን ክርኢ ኣይከኣለን። እቲ ሰብኣይ ንኤሊ “ካብቲ ውግእ ሃዲመ መፂአ እኒሀኹ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ወደይ! ኩነታት ከመይ ኮነ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ወረ ዘምፅአ ሰብኣይ ድማ “ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃዲሞም፤ ብዙሕ ሰብውን ተወዲኡ፤ ክልቲኦም ደቅኻ ኦፍኒን ፊንሓስን ከዓ ሞይቶም፤ ታቦት እግዚኣብሄርውን ተማሪኹ” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ሰብኣይ ምምራኽ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ነገሮ፥ ኤሊ ኣሪጉ፥ ሰብነቱውን ግዙፍ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ መንበር ኣብ ጥቓ እቲ በሪ ንድሕሪት ወደቐ። ክሳዱ ተሰይሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ዝመርሖም እዩ። ሰበይቲ ፊንሓስ ወዱ ድማ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፥ ታቦት እግዚኣብሄር ከም ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያን ከዓ ኸም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዐት፥ ሕርሲ ተትሓዘት እሞ፥ ብብርቱዕ ፃዕሪ ወለደት። ንሞት ምስ ቀረበት ከዓ፥ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ኢለን ዝነበራ ኣንስቲ “ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፥ ኣይትፍርሒ” በላኣ። ንሳ ግና ሓደኳ ኣይመለሰትን፥ ኣየቕለበትሉንውን። ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያንውን ስለ ዝሞቱ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ ብምባል፥ ነቲ ህፃን “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ። ንሳ ድማ “ታቦት እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ” በለት። ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ኤብንዔዘር ወሲዶም ናብ ኣዛጦን ኣምፅእዎ። ናብ ቤት ዳጎን ኣእትዮም ከዓ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ። ሰብ ኣዛጦን ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ረኸብዎ። ኣልዒሎም ከዓ ናብ ስፍራኡ መለስዎ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ ድማ፥ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ረኸብዎ፤ ርእሲ ዳጎንን ክልቲአን ግናዕ ኣእዳዉን ከዓ ተቘሪፀን ኣብ ድርኵዂት ወዲቐን ነበራ፤ እቲ ማእኸላይ ኣካሉ ጥራሕ ተሪፉ ነበረ። ስለዙይ ነታ ኣብ ኣዛጦን ዘላ ድርኵዂት ዳጎን፥ ካህናት ዳጎን ኮኑ ወይ ኵሎም ናብ ቤት ዳጎን ዝኣትዉ፥ ኣብ ኣዛጦን ንዘሎ መድረኽ ዳጎን ክሳዕ ሎሚ ኣይረግፁን እዮም። መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ድማ ንሰብ ኣዛጦን ከበደቶም፤ ንኣኣቶምን ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም። ሰብ ኣዛጦን ከዓ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ “እግዚኣብሄር ንኣናን ንዳጎን ኣምላኽናን ይቐፅዐና ኣሎ እሞ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር” በሉ። ልኡኻት ሰዲዶም ከዓ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፥ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ” በሉ። ንሳቶም ከዓ “ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጌት ይኺድ” በሉ። ስለዙይ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኣግለስዎ። ናብ ጌት ምስ ወሰድዎ ኸዓ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ብዓብዪ ድንጋፀ ቐፅዓ፤ እቶም ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ ብየመና ዓብዪ ፍርሒ ኣዕገርገሩ። ንሰብ እታ ኸተማውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ብሕማም ሕበጥ ቀፅዖም። ሽዑ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ኣስቀሎና ሰደድዎ። እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ኣስቀሎና ምስ መፀ፥ እቶም ኣስቀሎናውያን “ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኽቐትሉናስ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምፂኦምልና” ኢሎም ኣእወዩ። ቅፅዓት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኣ የመና ስለ ዝኸበደ፥ ንዅላ እታ ኸተማውን ፍርሓት ሞት ስለ ዝሓዛ፥ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም “እዝ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቐትለናስ፥ ስደድዎ፤ ናብ ስፍራኡ ኸዓ ይመለስ” በሉ። እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ሕበጥ ወቕዖም፤ ኣውያት እታ ኸተማ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ ደየበ። ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ወርሒ ምስ ገበረ፥ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ካህናትን ጠንቈልትን ፀዊዖም፦ “ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ? ኸመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና” በልዎም። ንሳቶም ድማ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፥ ጥራሑ ኣይትስደድዎ፤ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፤ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፤ ብብርቱዕ ዝቐፅዐኩምውን ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኽፍለጠኩም እዩ” ኢሎም መለሱሎም። ንሳቶም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦ “እቲ መዓት ንዅልኻትኩምን ንሹመኛታትኩምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፥ ከም ቍፅሪ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ሕበጥን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ኣናፁን ኣቕርቡ። እምበኣርከስ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽብሪ ሃብዎ፤ ምናልባሽ እቲ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን፥ ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን፥ ካብ ልዕሊ ምድሪኹምን የቕልል ይኸውን። ከምቲ ግብፃውያንን ፈርዖንን ልቦም ዘትረሩ፥ ስለ ምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣለኹም? እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ብብርቱዕ ምስ ቀፅዖምዶ ኣይኮነን ክኸዱ ዝሓደግዎም እሞ፥ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ? “ሕዚ ኸዓ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኹም፥ በርዑት ተቘሪነን ዘይፈልጣ ኽልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ውሰዱ እሞ፥ ነተን ኣላሕም ኣብቲ ሰረገላ ፅመድወን፤ ነተን ብተያተን ከዓ ፈሊኹም ካብ ድሕሪአን ናብ ቤት ምለስወን። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፤ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቕሑ ወርቂ ኸዓ ኣብ ሳፁን ጌርኩም ኣብ ጐድኑ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ ድማ ረአይዎ። ናብ ሃገሩ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ናብ ቤት ሳሚስ እንተ ደየበ፥ ሽዑ እዝ ብርቱዕ መቕፃዕቲ እዙይ ዘውረደልና እግዚኣብሄር እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እዝ መዓት እዙይ ባዕሉ ዝኾነ እምበር፥ ዝወቕዐና ናቱ ኢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ ኢና።” እቶም ሰባት ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ነተን ክልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ፀመድወን፤ ነተን ብተያተን ድማ ኣብ ቤት ዓፀውወን። ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳፁንን ምስቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ ምስልታት ኣናፁን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ፀዓንዎ። እተን ኣላሕም ድማ፥ እምባሕ እናበላ፥ በቲ ጐደና የማነ ፀጋም እንተይበላ፥ ናብ ቤትሳሚስ ናብ ዝወስድ መንገዲ ኣቕኒዐን ከዳ። እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽሳዕ ወሰን ቤትሳሚስ ደድሕሪአን ከዱ። እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ድማ ኣብቲ ውሽጢ ለሰ፥ ስርናይ ይዓፅዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቈላሕ ኣቢሎም ከዓ ነቲ ታቦት ረአይዎ እሞ ተሓጐሱ። እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት ኢያሱ በዓል ቤት ሳሚስ መፂኡ፥ ኣብ ጥቓ ዓብዪ እምኒ ቖመ። ዕንፀይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊፆም ከዓ ንተን ኣላሕም ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ። ሌዋውያን ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቑሑ ወርቂ ዘለዎ ሳፁንን ኣውሪዶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መስዋእቲ እውን ሰውኡ። እቶም ሓሙሽተ ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ነዝ ዅሉ ምስ ረአዩ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣስቀሎና ተመለሱ። እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ኻብ ወርቂ ዝተሰርሐ ምስሊ ሕበጥ፥ ሓደ ብስም ኣዛጦን፥ ሓደ ብስም ጋዛ፥ ሓደ ብስም ኣስቀሎና፥ ሓደ ብስም ጌት፥ ሓደ ብስም ኣቃሮን ዝተልኣኸ ነበረ። እተን ብወርቂ ዝተሰርሓ ኣናፁ ድማ ኻብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ቝሸታት፥ ብቝፅሪ ዅለን እተን ሓሙሽተ ኸተማታት ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዝተልኣኻ ነበራ። እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ዝተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፥ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት ኢያሱ በዓል ቤት ሳሚስ ዘሎ ምስክር እዩ። ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ። እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ከዓ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ቅዱስ ኣምላኽ እዙይ፥ መን ክቐውም ይኽእል? እዝ ታቦትከ ኻባና ወፂኡ ናብ መን ክኸይድ እዩ?” በሉ። ነቶም ኣብ ቂርያትይዓሪም ዝነብሩ ሰባት ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ንታቦት እግዚኣብሄር መሊሶምዎ እዮም እሞ፥ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱሎም። እቶም ሰብ ቂርያትይዓሪም ድማ መፂኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣእተውዎ፤ ንወዱ ኣልኣዛር ከዓ ታቦት እግዚኣብሄር ክሕሉ ቐደስዎ። እቲ ታቦት ኣብ ቂርያትየዓሪም ካብ ዝቕመጥ ጊዜኡ ነውሐ፤ ኣስታት ዕስራ ዓመትውን ኮነ። ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ሓዚኖም ናብ እግዚኣብሄር ይቝዝሙ ነበሩ። ሳሙኤል ከዓ ንዅላ ቤት እስራኤል “ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንተ ዄንኩም፥ ባዕዳን ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቑ፤ ልብኹም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፤ ንእኡ ጥራሕውን ኣምልኹ፤ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነኩም እዩ” በሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራሕ ኣምለኹ። ሳሙኤል ድማ “ንዅሎም ደቂ እስራኤል ናብ ምፅጳ ኣክብዎም፤ ኣነ ኸዓ ምእንታኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ” በሎም። ሽዑ ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ፤ ማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም መስዋእቲ ኣፍሰስዎ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ፆሙ፤ ኣብኡ ኸዓ “ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና” ኢሎም ተናዘዙ። ሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ፈረደ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ኸም ዝተኣከቡ ምስ ሰምዑ፥ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ክዋግእዎም ደየቡ። ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ንፍልስጥኤማውያን ፈርሕዎም። ንሳሙኤል ድማ “ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነናስ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምፅላይ ኣይትሕደግ” በልዎ። ሳሙኤል ድማ ሓደ ዝጠቡ ጡቦት በጊዕ ወሲዱ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ኣቕረበ። ምእንቲ እስራኤል ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ እግዚኣብሄር ድማ ሰምዖ። ሳሙኤል እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ እንተሎ፥ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ቐረቡ። እግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐድጓድ ኣንጐድጒዱ ኣሸበሮም እሞ፥ ብደቂ እስራኤል ተስዓሩ። እቶም እስራኤላውያን ድማ ኻብ ምፅጳ ወፂኦም ንፍልስጥኤማውያን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም፤ ክሳዕ ትሕቲ ቤት ካር እናሰዓቡውን ቀተልዎም። ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ምፅጳን ሼንን ኣንበሮ፤ “እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ረድአና” እንትብል ድማ፥ ኣቤንዔዘር ኢሉ ሰመዮ። ብዅሉ ዘመን ሳሙኤል ድማ መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ከቢዱ ነበረ። እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ ደቂ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፥ ካብ ኣስቀሎና ክሳዕ ጌት፥ ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሳ፤ ንወሰነን ከዓ ደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሓንወን። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን ድማ ዕርቂ ነበረ። ሳሙኤል ድማ ምሉእ ዘመን ህይወቱ ንደቂ እስራኤል መርሖም። ዓመት ዓመት ከዓ ናብ ቤቴልን ጌልጌላን ምፅጳን ይዘውር ነበረ፤ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከዓ ንደቂ እስራኤል ይፈርዶም ነበረ። ቤቱ ኣብ ኣርማቴም ስለ ዝነበረት፥ ናብኣ ይምለስ ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፥ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረድቲ ገበሮም። ስም እቲ በዅሪ ወዱ ኢዩኤል፥ ስም እቲ ኻልኣዩ ኸዓ ኣቢያ ነበረ፤ ንሳቶም ኣብ ቤርሳቤህ ፈረድቲ ነበሩ። እቶም ደቁ ግና ብመንገዱ ኣይከዱን፤ ናብ ስስዕና ደኣ ዘምበሉ፤ ጉቦ እናተቐበሉውን ፍርዲ የቐይንኑ ነበሩ። ሽዑ ዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም መፁ፤ “እንሆ፥ ንስኻ ኣሪግካ ኢኻ፤ ደቅኻ ኸዓ ብመንገድኻ ኣይከዱን። እምበኣር ሕዚ ኸም ኵሎም ኣህዛብ ዝፈርደልና ንጉስ አንግሰልና” በልዎ። “ዝፈርደልና ንጉስ ሃበና” ምስ በሉ ግና፥ እዝ ነገር እዙይ ንሳሙኤል ኣሕዘኖሞ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ከይነግስ፥ ንኣይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፥ ንኣኻ ኣይኮኑን ዝነዓቑ እሞ፥ ኵሉ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ቓሎም ስማዕ። ኣነ ንኣኣቶም ካብ ግብፂ ኻብ ዘውፃእኹዎም መዓልቲ ጀሚሮም፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምለኹ፥ ንኣኻውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ሕዚ እውን ቃሎም ስማዕ፤ ግና ፅኑዕ ምስክርነት መስክረሎም፤ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ዝነግስ ንጉስ ስርዓትውን ንገሮም።” ሳሙኤል ድማ ነቶም ንጉስ ከንግሰሎም ዝለመኑ ህዝቢ፥ ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ነገሮም። ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስ ከምዙይ ክገብረኩም እዩ፦ ነወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክገብሮም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ቐቅድሚ ሰረገላኡ ኽጐዩ እዮም። ንባዕሉ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ክገብሮም እዩ። ግራቱ ዝሓርሱን ዓፂዱ ዝዓፅዱን፥ ኣፅዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ዝሰርሑ ክኾኑ እዮም። ነዋልድኩም ከዓ ሽቱ ኸቃምማን ፀብሒ ኽሰርሓን እንጀራ ኽስንክታን ክወስደን እዩ። እቲ ዘዝበለፀ ገራሁኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ዘይትኹምን ወሲዱ ድማ ንኣገልገልቱ ኽህቦም እዩ። ኣስራት ዝሩእኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸዓ ንሹመኛታቱን ንኣገልገልቱን ክህቦም እዩ። ኣገልገልትኹምን ኣግራድኩምን፥ ዘዝበለፁ ኸፍትኻትኩምን ካብ ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ኣስራት ክወስድ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ባሮቱ ኽትኮኑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ በቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ ናብ እግዚኣብሄር ክተእውዩ ኢኹም፤ ግና በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣይሰምዐኩምን እዩ።” እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣበይዎ። “ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይሃልወና። ንሕና ኸዓ ኸምቶም ኵሎም ኣህዛብ ክንኸውን፥ ንጉስና ኽፈርደልናን ቀቅድሜና ወፂኡ ድማ ውግእና ኽዋግአልናን ኢና እንደሊ” በሉ። ሳሙኤል ዅሉ ዘረባ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ነገሮ። ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናብ ከተማኡ ይኺድ” በሎም። ካብ ነገድ ብንያም ቂስ ዝበሃል ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ ኣቢኤል፥ ወዲ ፀሮር፥ ወዲ ብኮራት፥ ወዲ ብንያማዊ ኣፌቅ ፅኑዕ ሓያል ሰብ ነበረ። ንሱ ኸዓ ሳኦል ዝበሃል መልክዐኛ መንእሰይ ወዲ ነበሮ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዝፅብቕ ሰብ ኣይነበረን፤ ምንዋሑ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ፀብለል ዝበለ ነበረ። ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ “ካብዞም ኣገልገልቲ ሓደ ምሳኻ ውሰድ እሞ፥ ኪድ ነተን ኣእዱግ ድለየን” በሎ። ሽዑ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬምን ኣብ ምድሪ ሻሊሻን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ሓሊፎም ድማ ደለይወን፤ ኣብኣውን ኣይነበራን፤ ኣብ ምድሪ ብንያማውያንውን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን። ናብ ምድሪ ፁፍ ምስ መፁ፤ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣገልጋሊ “ኣቦይ ናይ ኣእዱግ ሓዲጉ ብኣና ይጭነቕ ከይህሉስ፥ ንዓናይ ንኺድ ንመለስ” በሎ። እቲ ኣገልጋሊ ግና “እንሆ፥ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣሎ፥ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ እዩ፤ ዝበሎ ዅሉ ይፍፀም እዩ እሞ፥ ሕዚ ናብኡ ንኺድ፤ ንሱ ምናልባሽ እንኸደሉ መንገዲ ይነግረና ይኸውን” በሎ። ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊ “እሺ ምኻድስ ንኺድ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንታይ ክንወስደሉ ኢና? ኣብ ለቖታና ዝነበረ እንጀራ ተወዲኡ እዩ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እነቕርበሉ ውህብቶ የብልናን፤ እንታይ ድኣ ኽንወስደሉ ኢና?” በሎ። እቲ ሓሽከር ከዓ ንሳኦል “እንሆ ሰለስተ ግራም ብሩር ኣብ ኢደይ ኣለኒ፤ እምበኣር መንገድና ምእንቲ ኽሕብረናስ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ክህቦ እየ” ኢሉ መለሰሉ። (እዝ ሎሚ ነቢይ ዝበሃል ዘሎ፥ ቀደም ረኣዪ ይበሃል ነበረ እሞ፥ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ክጥይቕ እንትኸይድ “ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ” ይብል ነበረ።) ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊኡ “ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ንዓናይ ንኺድ” በሎሞ፥ ናብታ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ። ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዘደይብ ዓቐበት ክድይቡ እንተለዉ፥ ማይ ክወርዳ ዝወፃ ኣዋልድ ረኸቡ እሞ “እቲ ረኣዪ ኣብዙይዶ ኣሎ?” ኢሎም ጠየቑወን። ንሳተን ከዓ “እወ፥ ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ፤ ሕዚ ቐልጥፉ፤ እዝ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽስውእ እዩ እሞ፥ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መፂኡ ኣሎ። ናብ ከተማ ምስ ኣተኹም፥ ገና ናብቲ በሪኽ ክበልዕ እንተይደየበ፥ ክትረኽብዎ ኢኹም። ንሱ እዩ ነቲ መስዋእቲ ዝባርኾ እቶም ህዝቢ ንሱ እንተይመፀ ኣይበልዑን እዮም። ድሕሪኡ እዮም እቶም ዕዱማት ዝበልዑ። በዛ ጊዜ እዚኣ ኽትረኽብዎ ኢኹም፤ ስለዙይ ሕዚ ደይቡ” በላኦም። ናብታ ኸተማ ኸዓ ደየቡ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ፥ እንሆ፥ ሳሙኤል ናብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽድይብ ናብኣቶም ኣቢሉ መፀ። ሳኦል ቅድሚ ምምፅኡ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ ኢሉ ገሊፁሉ ነበረ፦ “ስቓይ ህዝበይ ሪአ፤ ገዓሮም ከዓ ናባይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፤ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ክኸውን ቅብኣዮ፤ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም እዩ።” ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረአዮ፥ እግዚኣብሄር፥ “እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝገዝእ እዙይ እዩ” በሎ። ሳኦል ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ “ቤት እቲ ረኣዪ ኣበይ ከም ዝኾነ በይዛኻ ኣርእየኒ?” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “እቲ ረኣዪ ኣነ እየ፤ ሎሚ ምሳይ ክትመስሑ ኢኹም እሞ፥ ቅድመይ ናብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ደይቡ፤ ፅባሕ ግና ዅሉ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ነጊረ ኽሰደካ እየ። እተን ካብ ዝጠፍኣ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከዓ ተረኺበን እየን እሞ፥ ብኣኣተን ኣይትሕሰብ። ኵሉ እቲ እስራኤል ዝምነዮኸ፥ ንመን ድዩ? ንኣኻን ንቤት ኣቦኻንዶ ኣይኮነን?” በሎ። ሳኦል ድማ “ኣነስ ብንያማዊ፥ ካብቶም ኣናእሽቱ ነገዳት እስራኤል ሓደዶ ኣይኮንኩን? ዓሌተይ ከዓ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዝንእስዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዙይ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘለኻ?” ኢሉ መለሰሉ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ኣገልጋሊኡን ናብ ኣዳራሽ ኣእትዩ፥ ብልዕሊ እቶም ዕዱማት ኣቐመጦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣስታት ሰላሳ ሰብ ነበሩ። ሳሙኤል ድማ ነቲ ሰራሒ ፀብሒ “ነቲ ምሳኻ ኣንብሮ ኢለ ዝሃብኩኻ ምቃል ስጋ ኣምፅአዮ” በሎ። እቲ ሰራሒ ፀብሒ ኸዓ፥ ነቲ ስጋ ሰለፍን ነቲ ምስኡ ዝነበረን ኣምፂኡ፥ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ “ነቲ ህዝቢ ካብ ዝፅውዕ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ ምድብቲ ጊዜ እዚኣ ንኣኻ ተቐሚጡልካ ነይሩ እዩሞ፥ ነቲ ዝተቐመጠልካ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ እዩሞ እንሆ ብልዓዮ” በሎ። ሳኦል ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዐ። ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ፥ ናብታ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፥ ሳሙኤል ኣብ ዝባን ናሕሲ ኾይኑ ምስ ሳኦል ተዛራረበ። ኣንጊሆም ከዓ ተስኡ። ምስ ወግሐ፥ ሳሙኤል ኣብ ናሕሲ ኾይኑ ንሳኦል “ከፋንወካ ተስእ” ኢሉ ፀውዖ። ሳኦል ከዓ ተስአ፤ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ኽልቲኦም ናብ በረኻ ወፁ። ኣብ ወሰን እታ ኸተማ ምስ ወረዱ፥ ሳሙኤል ንሳኦል “ነዝ ሓሽከር ‘ንቕድሜና ክሓልፍ ንገሮ፤’ ንስኻ ግና፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኽነግረካስ፥ ኣብዙይ ደው በል” በሎ። እቲ ሓሽከር ከዓ ሓለፈ። ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ እሞ ሰዓሞ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ርስቱ ሓለቓ ኽትከውን እግዚኣብሄር ቀቢኡካ ኣሎ፤ ንህዝቢ እግዚኣብሄርውን ክትገዝእ ኢኻ፤ ኣብ ዙርያኦም ካብ ዘለዉ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ክተድሕኖም ኢኻ። ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፥ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፥ ኣብ ወሰን ብንያም ኣብ ፄልፃሕ ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ‘እተን ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካ ኣእዱግ ተረኺበን፤ እንሆ ድማ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሓዲጉ፥ ብዛዕባ ወደይ እንታይ ክገብር እየ? እናበለ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ’ ኽብሉኻ እዮም። “ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ታቦር ኣብ ዘላ ዓባይ ኦም ምስ በፃሕኻ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ዝድይቡ እቲ ሓደ፥ ሰለስተ ወጠጦ እናሰሓበ ዝኸይድ፥ እቲ ኻልኣይ ሰለስተ እንጀራ ዝፆረ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ሓርቢ ወይኒ ዝፆረ፥ ሰለስተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ። ንሳቶም ‘ሰላም ክብሉኻ እዮም፤ ክልተ እንጀራውን ክህቡኻ እዮም፤ ንስኻ ኸዓ ኻብ ኢዶም ክትቅበል ኢኻ።’ “ድሕሪዙይ ናብቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዀረብታ እግዚኣብሄር ክትበፅሕ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ እንተለኻ ድማ፥ ብበገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ዝተሰነዩ ጉባኤ ነቢያት፥ ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ እንትወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኻ ኽወርድ እዩ፤ ምስኣቶም ድማ ኽትንበ ኢኻ፤ ካልእ ሰብ ኴንካ ድማ ኽትልወጥ ኢኻ። እዞም ምልክታት እዚኣቶም ምስ በፅሑኻ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ስለ ዝኾነ፥ እቲ ዝግባእ ግበር። “ቅድመይ ናብ ጌልገላ ውረድ፤ እንሆ ኸዓ ኣነ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ፥ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ኽስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መፂአ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካ ግና ሸውዓተ መዓልቲ ኽትፀንሕ ኢኻ።” ሳኦል ካብ ሳሙኤል ክኸይድ ገፁ ምስ መለሰ፥ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ዅሎም እዞም ምልክታት እዚኣቶም በፅሑሉ። ናብታ ዀረብታ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ ጉባኤ ነቢያት ተቐበልዎ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ተነበየ። ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ፥ ሳኦል ምስ ነቢያት ኮይኑ ክንበ ምስ ረአይዎ፥ “እዝ ኣብ ወዲ ቂስ ኮይኑ ዘሎ እንታይ እዩ? ሳኦልውንዶ ምስ ነቢያት እዩ?” ተበሃሃሉ። ኣብቲ ስፍራ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ ከዓ “ኣቦ እዞም ነቢያትስ መን ድዩ?” ኢሉ መለሰ። ስለዙይ ከዓ እዩ እቲ “ሳኦልውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ዝብል ምስላ ዝኾነ። ትንቢት ምንጋር ምስ ወድአ ድማ ናብቲ መስገዲ ቦታ ኸደ። ሓወቦ ሳኦል ከዓ ንእኡን ንኣገልጋሊኡን “ናበይ ኬድኩም ኔርኩም?” በሎም። ንሱ ድማ “ኣእዱግ ክንደሊ፥ ምስ ሰኣንናየን ከዓ ናብ ሳሙኤል ከድና” በሎ። ሓወቦ ሳኦል ድማ “እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በይዛኻ ንገረኒ” በሎ። ሳኦል ከዓ ንሓው ኣቦኡ “እተን ኣእዱግ ከም ዝተረኽባ ብርግፅ ነገረና” በሎ። እቲ ሳሙኤል ብዛዕባ ምንጋሱ ዝበሎ ግና ኣይነገሮን። ሳሙኤል ድማ ንህዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ፀውዖም። ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዘጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሓንኩኹም’ ይብል ኣሎ። ንስኻትኩም ግና ሎሚ ነቲ ኻብ ኵሉ መከራን ጭንቀትን ዘድሕነኩም ኣምላኽ ነዓቕኩምዎ፤ ንእኡ ኸዓ ‘ኣይፋልካን! ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና’ በልኩምዎ። እምበኣር ሕዚ በብነገድኩምን በብማይ ቤትኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ” በሎም። ሳሙኤል ከዓ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፤ እቲ ዕፃ ድማ ኣብ ልዕሊ ነገድ ብንያም ወደቐ። ንነገድ ብንያም ከዓ በብዓሌቶም ኣቕረቦም፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዓሌት ማትሪ ሓረየ። ካብ ዓሌት ማትሪ ኸዓ ንሳኦል ወዲ ቂስ ሓረየ። ንሳኦል እንተ ደለይዎ ግና ኣይረኸብዎን። እግዚኣብሄር ድማ “እወ! ንሱ ኣብ መንጎ ኣቑሑ ተሓቢኡ ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም። ጐይዮም ከዓ ንሳኦል ካብኡ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ነውሖ። ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ፥ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዘየለ፥ ርኢኹምዶ?” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ንጉስ ህያው ይኹን” እናበሉ ዕልል በሉ። ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ሕግታት መንግስቲ ነገሮም፤ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ዅሉ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ። ሳኦል ድማ ናብ ቤቱ ናብ ገባዖን ከደ፤ እግዚኣብሄር ልቦም ዘለዓዓሎም ጀጋኑ ኸዓ ምስኡ ኸዱ። ሓድሓደ ኽፉኣት ሰባት ግና “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸድሕነና እዩ?” ኢሎም ስለ ዝነዓቕዎ፥ ገፀ በረኸት ኣይሃብዎን። ንሱ ግና ኸም ዘይሰምዐ ኾነ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብድሕሪ ሓደ ወርሒ ናዖስ ንጉስ ኣሞናውያን ደዪቡ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ኢያቤስ ከበባ። ኵሎም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንናዖስ “ክንግዝአልካስ ኪዳን እተወልና” በልዎ። እቲ ኣሞናዊ ናዖስ ኸዓ “ንዅልኹም የማነይቲ ዓይንኹም ብምምዝሓቝ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልውን ነውሪ ኽገብር እየ” በሎም። እቶም ዓበይቲ ኢያቤስ ድማ “ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድስ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ጊዜ ሃበና፤ ዘድሕነና እንተ ሰኣንና ኸዓ ሽዑ ናባኻ ንመፅእ” በልዎ። እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ሳኦል ዝነብረላ ገባዖን መፁ፤ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ተናገሩ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ድምፆም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። እንሆ ድማ ሳኦል ኣብ ማሕረስ ውዒሉ፥ ኣብዑር እናዀብኰበ መፀ። “እዝ ህዝቢ ዝበኪ ዘሎ እንታይ ኮይኑ እዩ?” ድማ በለ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ዘረባ ሰብ ኢያቤስ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ቍጥዓኡውን የመና ነደደ። ነቶም ፅምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቘራረፆም፤ “እቲ ወፂኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፥ ኣብዑሩ ኸምዙይ ክግበሩ እዮም” ኢሉ ነቶም ቍርፅራፅ ስጋ ዝሓዙ ልኡኻት ናብ ኵላ ወሰን ምድሪ እስራኤል ሰደዶም። ሽዑ እቶም ህዝቢ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ መዓት ኣደንጊፁዎም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ወፁ። ሳኦል ኣብ ቤዜቅ ምስ ቈፀሮም ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፥ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ሰላሳ ሽሕ ኮኑ። ነቶም ዝመፁ ልኡኻት ድማ “ንሰብ ኢያቤስ ናይ ገለዓድ ‘ፅባሕ ፀሓይ ምስ በርትዐት ምድሓን ክኾነልኩም እዩ’ ኢልኩም ንገርዎም” በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ ኸይዶም ንሰብ ኢያቤስ ነገርዎም፤ ንሳቶም ከዓ ተሓጐሱ። እቶም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንኣሞናውያን “ፅባሕ ክንወፀልኩም ኢና፤ ሽዑ ኸም ዝደለኹም ትገብሩና” በልዎም። ንፅባሒቱ ኸዓ ሳኦል ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም። ወጋሕታ ምስ ኮነ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ኣሞናውያን ኣትዮም፥ ቀትሪ ኽሳዕ ዝኸውን ወቕዕዎም። እቶም ካብኣቶም ዝተረፉ ኸዓ ፋሕ በሉ፤ ነንበይኖም ከዓ ሃደሙ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል “ ‘እቲ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ኣይነግስን እዩ’ ዝበለ መን እዩ? ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምፅኣዮም” በልዎ። ሳኦል ግና “እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ ሰብ ኣይመውትን እዩ” በለ። ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ “ንዑናይ! ናብ ጌልገላ ንኺድ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቲ መንግስቲ ነሐድሶ” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጌልገላ ኸዱ፤ ኣብኣ ኸዓ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንገስዎ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኣ ኸዓ ሳኦልን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዓብዪ ታሕጓስ ገበሩ። ሳሙኤል ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓል ሰሚዐ ንጉስ ኣንገስኩልኩም። ሕዚ ኸዓ እቲ ዝመርሐኩም ንጉስ እንሆ፤ ኣነ ኣሪገ እየ፤ ደቀይ ከዓ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም ከድኩ። ሕዚ እውን እኒሀኹ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝቐብኦን መስክሩለይ፤ ናይ መን ብዕራይ ወሰድኩ? ናይ መን ኣድጊኸ ወሰድኩ? ንመንከ ኣታለልኩ? ንመን ግፍዒ ገበርኩ? ኣዒንተይ ንምዕዋርከ ኻብ መን ጉቦ ተቐበልኩ? ኣነውን ክመልሰሉ እየ።” ንሳቶም ከዓ “ኣየታለልካናን፤ ግፍዒውን ኣይገፋዕኻናን፤ ካብ ኢድ ሰብውን ዝኾነ እኳ ኣይወሰድካን” በልዎ። ሳሙኤል ከዓ “ኣብ ኢደይ ምንም ከም ዘይረኸብኩምለይስ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄርን እቲ ንሱ ዝቐብኦን ምስክር እዮም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ምስክር እዩ” በሉ። ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝሓረዮም፤ ነቦታትኩም ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር እዩ። እምበኣር ሕዝስ ብዛዕባ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ፅድቂ ግብርታቱ፤ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምስ ኣብዙይ ደው በሉ። “ያእቆብ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን ከዓ ነቦታትኩም ምስ ኣጨነቑዎም፥ ኣቦታትኩምውን ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኾም፤ ንሳቶም ከዓ ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኣውፅእዎም፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም። “ንሳቶም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረስዕዎ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ኢድ ሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኣሶርን ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም። ሽዑ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ብምግልጋል በዲልና ኢና፤ ሕዚ ግና ኻብ ፀላእትና ኣድሕነና፤ ንሕና ድማ ኽነገልግለካ ኢና’ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። እግዚኣብሄር ከዓ ንይሩበዓልን “ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ከም ዝመፀኩም ምስ ረአኹም ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም እንተሎስ፥ ‘ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ’ በልኩምኒ። ሕዚ ኸዓ፥ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሓረኹምዎን ንጉስ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንጊሱልኩም ኣሎ። ንእግዚኣብሄር እንተ ፈሪሕኹምዎን እንተ ኣምሊኽኩምዎን ቃሉውን እንተ ሰሚዕኹምን ትእዛዙውን እንተ ሓሊኹምን፥ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስን ኵሉ ኽቐንዐኩም እዩ። ቃል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ዘይሓሊኹም ግና ሽዑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝቐፅዖም ንኣኻትኩምን ንንጉስኩምን ክቐፅዐኩም እዩ። “ሕዚ ኸዓ ደው ኢልኩም ናብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገብሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ። ሎሚ ጊዜ ቐውዒ ስርናይዶ ኣይኮነን? እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትሪኡንስ፥ ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነጐድጓድን ዝናምን ክሰድድ እዩ።” ሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖ፤ እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጐድጓድን ዝናምን ሰደደ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን የመና ፈርሕዎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳሙኤል “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትናስ፥ ንጉስ ብምልማንና ወሲኽና ኽፉእ ጌርና ኢና እሞ ምእንቲ ኸይንመውትስ፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና” በልዎ። ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣይትፍርሑ፤ ምግባርስ ነዝ ዅሉ ኽፉእ ነገር እዙይ ጌርኩምዎ ኢኹም፤ ግና ንእግዚኣብሄር ምኽታል ኣይትሕደጉ፤ ብምሉእ ልብኹም ደኣ ንእኡ ኣገልግልዎ። እቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን ኣማልኽቲ፥ ከንቱ ስለ ዝኾኑ፥ ምስዓቦምውን ከንቱ እዩ እሞ፤ ኣይትስዓብዎም። እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ። ኣነስ እታ ፅብቕትን ቅንዕትን መንገዲ ኽምህረኩም እየ። ምእንታኻትኩም ምፅላይ ብምሕዳገይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳል የድሕነኒ። እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ እሞ ንእኡ ጥራሕ ፍርሑ፤ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከዓ ኣገልግልዎ። መሊስኩም ክፉእ እንተ ገበርኩም ግና ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።” ሳኦል ኣብ እስራኤል ክልተ ዓመት ምስ ነገሰ፥ ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሓረየ። ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ኰረብታታት ቤቴልን ነበሩ። ሓደ ሽሕ ከዓ ምስ ዮናታን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ። ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ናሲብ ሰፊሩ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ እዙይ ሰምዑ። ሳኦል ድማ “ዕብራውያን ይስምዑ” ኢሉ ኣብ ኵላ እታ ሃገር መለኸት ነፍሐ። ኵሎም እስራኤል ከዓ፥ ሳኦል ንዅሎም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝወቕዖምን፥ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ከም እተፀልኡን ሰምዑ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳኦል ንምኽታል ናብ ጌልገላ ተኣከቡ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛ፥ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኾይኖም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት ኣዌን ዘላ ማክማስ ሰፈሩ። እቶም ሰብ እስራኤል፥ ፍልስጥኤማውያን ንሰራዊቶም ከም ዘፅበቡሎም ምስ ረአዩ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ዱርን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ። ሳኦል ግና ገና ኣብ ጌልገላ ነበረ፤ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጡ ተኸተልዎ። ሳኦል ከዓ ኸምቲ ሳሙኤል ዝመደበሉ ሸውዓተ መዓልቲ ተፀበየ፤ ሳሙኤል ግና ናብ ገለዓድ ኣይመፀን። እቲ ህዝቢ ድማ ንሳኦል ሓዲግዎ ፋሕ ክብል ጀመረ። ሽዑ ሳኦል “ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ናብዙይ ኣምፅኡለይ” በለ። ባዕሉ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውአ። ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈፀመ ኸዓ ሳሙኤል መፀ። ሳኦል ከዓ ኽቕበሎ ወፀ። ሳሙኤል ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ” በሎ። ሳኦል ከዓ “እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፥ ንስኻ ድማ በተን ዝተመደባ መዓልቲታት ከም ዘይመፃእኻ፥ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ማክማስ ከም ዝተኣከቡ ረአኹ። ስለዙይ ‘ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይፀለኹ እንተለኹ፥ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጌልገላ ሕዚ ኽወርዱ እዮም’ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ደፊረ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረብኩ” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ብዘይምሕላውካ ዓሺኻ። ትእዛዙ ሓሊኻ እንተ እትኸውን፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መፅንዐልካ ነይሩ። ሕዚ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ስለ ዘይሓለኻ፥ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝኾነ ሰብ ረኺቡ፥ ንእኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሸይምዎ ኣሎ” በሎ። ሳሙኤል ድማ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ናብ ገባዖን ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ቘፀሮም፤ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ኸዓ ኾኑ። ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝብን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ሰፊሮም ነበሩ፤ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ማክማስ ሰፊሮም ነበሩ። ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከዓ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ኾይኖም ወፁ፤ እቲ ሓደ ኽፍሊ ናብ ኤፍራታ ናይ ምድሪ ሶጋል ኣቢሉ ኸደ። እቲ ኻልኣይ ክፍሊ ኸዓ ናብ ቤትሖሮን ኣቢሉ ኸደ፤ እቲ ሳልሳይውን ናብቲ ኣብ ለሰ ሰቦይም ማዕዶ ወሰን፥ ብወገን ምድረ በዳ ኣቢሉ ኸደ። ፍልስጥኤማውያን ድማ “ዕብራውያን ሰይፊ ወይ ኲናት ኣይስርሑ” ኢሎም ስለ ዝነበሩ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጢ ሓፂን ኣይነበረን። ስለዙይ ብልሒ ማሕረሻን መባሮታትን ማሕፀታትን ማዕፂዳትን ምስ ጐተመ፥ ኵላቶም እስራኤል ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርዱ ነበሩ። ንማሕረሻን መባሮን በርባዕተ ግራም ብሩር፥ ንመስአን ማህፀን ሓንካሾን ከዓ ብሸሞንተ ግራም ብሩር የብልሑ ነበሩ። ብመዓልቲ ውግእ ብዘይ ሳኦልን ዮናታን ወዱን፥ እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝቢ ሰይፊ ኾነ ዂናት ኣይነበሮምን። ሓደ ኽፍሊ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ መሳገሪ ማክማስ ወፀ። ሓደ መዓልቲ ድማ፥ ከምዙይ ኮነ፦ ዮናታን ወዲ ሳኦል፥ ነቦኡ እንተይነገረ፥ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ፥ “ንዓናይ፥ ናብቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር” በሎ። ሳኦል ከዓ ኣብ ወሰን ጊብዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መጌዶል ዘላ ኦም ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፤ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸዓ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ። ኤፉድ ዝፀውር ከዓ ኣሒያ ወዲ ኣኪጡብ፥ ወዲ ሓዉ ንኢካቦድ ምስኣቶም ነበረ። ኢካቦድ ወዲ ፊንሓስ፥ ወዲ እቲ ኣብ ሴሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ ኤሊ እዩ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ። በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ክሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ፥ ብኽልቲኡ ወገና ጨላቝ ኣኻውሕ ነበረ። እቲ ሓደ ቦፄፅ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔ ይበሃል ነበረ። እቲ ሓደ ጨላቝ ኰዅሒ ብወገን ሰሜን ኣብ መንፅር ማክማስ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ብወገን ደቡብ ኣብ መንፅር ጊብዓ ደው ኢሎም ነበሩ። ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ። እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ ድማ፥ “ኵሉ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር፤ ንስኻ ምራሕ፤ ኣነውን እኒሀኹ ብምሉእ ልበይን ቀልበይን ምሳኻ እየ” በሎ። ሽዑ ዮናታን “ንዓናይ እምበኣር ናብቶም ሰባት ንሳገር፤ ከም ዝሪኡና ኸዓ ንግበር። ንሳቶም ‘ክሳዕ እንመፀኩም ፅንሑ’ እንተ በሉና፥ ንሕና ኣብ ዘለናዮ ንፀንሕ፤ ናብኣቶም ኣይንደይብ። ‘ናባና ደይቡ’ እንተ በሉና ግና፥ እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበና እዙይ ምልክት እዩ እሞ፥ ናብኣቶም ንድይብ” በሎ። ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተርኣይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እንሆ፥ ዕብራውያን ካብቲ ተሓቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወፁ ኣለዉ” በሉ። እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይን “ሓደ ነገር ክነርእየኩምስ ናባና ደይቡ” ኢሎም ፀውዕዎም። ዮናታን ከዓ ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይ፥ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ደድሕረይ ደይብ” በሎ። ዮናታን ድማ በእዳዉን በእጋሩን እናተቛናጠጠ ደየበ። እቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይ እውን ደድሕሪኡ ሰዓበ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ዮናታን ወደቑ፤ እቲ መንእሰይውን ደድሕሪኡ ስዒቡ ቐተሎም። በቲ ዮናታንን እቲ ኣፅዋር ዝስከም መንእሰይን ኮይኖም ዝተዋግኡሉ ቐዳማይ ውግእ፥ መውዓሊ ፅምዲ ኣብ እትኣክል ሕሩስ ኣስታት ዕስራ ሰባት ቀተሉ። ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ በረኻን ኣብ ኵሉ ህዝቢ ፍልስጥኤምን ሽብር ኮነ፤ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ከዓ ኣንቀጥቀጡ። እግዚኣብሄር ፍርሓት ሰደደሎም፤ እታ ምድሪ ድማ ተናወፀት። እቶም ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ዝነበሩ ዘብዐኛታት ሳኦል ከዓ፥ እንሆ እቲ ሰራዊት ብዅሉ ወገን እናተጓየየ ኽብተን እንተሎ ረአዩ። ሽዑ ሳኦል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ “ቈፂርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ረአዩ” በሎም። ንሳቶም ምስ ቈፀሩ ኸዓ እንሆ ዮናታንን እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይን ኣብኡ ኣይነበሩን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣኪያ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኤፉድ ተኸዲኑ ነበረሞ፥ ሳኦል ንኣኪያ “ነቲ ኤፉድ ታቦት እግዚኣብሄር ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ። ሳኦል ምስቲ ኻህን ክዛረብ እንተሎ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ዕግርግር የመና እናበርትዐ ኸደ። ሳኦል ከዓ ነቲ ኻህን “ኢድካ ኣክብ” በሎ። ሳኦልን እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከዓ ተኣኪቦም ናብቲ ውግእ ኣተዉ። እንሆ ድማ ናይ ሕድሕድ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ነበረ። የመና ብርቱዕ ድንጋፀ ኸዓ ኾነ። እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ኻብቲ ኸባቢ ምስኣቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ ዕብራውያን እውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ክኾኑ መፁ። እቶም ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም ተሓቢኦም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል ድማ፥ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ሰምዑ፥ እግሪ እግሮም ስዒቦም ተዋግኡዎም። እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣድሓኖም። እቲ ውግእ ኸዓ ብወገን ቤት ኣዌን ሓለፈ። በታ መዓልቲ እቲኣ ሳኦል “ንፀላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈድዮም፥ ክሳዕ ምሸት እንጀራ ዝበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን” ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣምሒልዎም ስለ ዝነበረ፥ ሰብ እስራኤል ደኺሞም ነበሩ። ካብቶም ህዝቢ ኸዓ እንጀራ ዝጠዓመ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ዱር መፁ፤ ኣብቲ ልዕሊ ምድሪ ኸዓ መዓር ነበረ። እቶም ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቦታ መዓር ይውሕዝ ነበረ፤ እቶም ህዝቢ ግና፥ ነቲ ማሕላ ስለ ዝፈርሑ፥ ማንም ኢዱ ናብ ኣፉ ኣይገበረን። ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቶም ህዝቢ ኸምሕሎም እንተሎ ኣይሰምዐን ነበረ እሞ፥ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ፥ ናብቲ ወለላ መዓር ጠምዐ፤ ካብኡ ኸዓ በልዐ፤ ኣዒንቱ ድማ በርሃ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ “ኣቦኻ ‘ሎሚ እንጀራ ዝበልዐ ርጉም ይኹን’ ኢሉ ንህዝቢ ኣፅኒዑ ኣምሒልዎም ስለ ዘሎ እቲ ህዝቢ ደኺሙ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ሽዑ ዮናታን “ኣቦይ ነዛ ምድሪ ጐዲኡዋ። ካብዝ መዓር እዙይ ስለ ዝጠዓምኩ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ ረአዩ። እቶም ህዝቢ ሎሚ ኻብዝ ዝረኸብዎ ምርኮ ፀላእቶም ኣፀቢቖም በሊዖም እንተ ዝኾኑ ምውቃዕ ፍልስጥኤማውያን ክንደይ ምዓበየ ነይሩ!” በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ደቂ እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ማክማስ ክሳዕ ኤሎን ወቕዕዎም። ደቂ እስራኤል ከዓ እምብዛ ደኸሙ። ናብ ምርኮ ሰሲዖም ኣባጊዕን ከፍትን ምራኹትን ወሲዶም ሓረዱ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ምስ ደሙ በልዕዎ። ሽዑ “እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ ንእግዚኣብሄር ይብድል ኣሎ” ኢሎም ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩም ከዳዕኹም፤ ሕዚ ዓብዪ እምኒ ኣንከራሪኹም ኣምፅኡለይ” በሎም። ሳኦል ድማ “ናብቲ ህዝቢ ኼድኩም ‘ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምፅእ፤ ኣብዙይ ከዓ ሓሪድኩም ብልዑ። ምስ ደሙ ብምብላዕ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ’ በልዎም” በለ። በታ ለይቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩ ኣምፂኡ ሓረደ። ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። እዙይ እቲ ሳኦል ንእግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ቐዳማይ መሰውኢ እዩ። ሳኦል መሊሱ “ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፤ ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ ንዝመቶም፤ ሓደ ሰብውን ኣይነትርፈሎም” በለ። ንሳቶም ድማ “ኵሉ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር” በልዎ። እቲ ኻህን ግና “ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ” በሎም። ሽዑ ሳኦል “ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ? ኣብ ኢድ እስራኤልዶ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ኢኻ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና እግዚኣብሄር ንሳኦል ኣይመለሰሉን። ሳኦል ከዓ “ኣቱም ኣሕሉቕ ህዝቢ ዅልኹም ናብዙይ ቅረቡ፤ ሎሚ እዝ ሓጢኣት እዙይ ብምንታይ ከም ዝኾነ ድማ ፍለጡን ረኣዩን። እቲ በደል ዝተገብረ ብወደይ ዮናታን እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ንእስራኤል ዘድሕን እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ብርግፅ ክመውት እዩ” በለ። ግና ኻብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሓደ እኳ ዝመለሰሉ ኣይነበረን። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳኦል “እቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር” በልዎ። ሳኦል ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ስለ ምንታይ ኢኻ ሎሚ ንኣይ ንባርያኻ ዘይመለስካለይ? እዝ በደል እዙይ ናተይ ወይ ናይ ዮናታን ወደይ እንተ ኾይኑ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብኡሪም መልሰለይ፤ እዝ በደል እዙይ ናይ ህዝብኻ ህዝቢ እስራኤል እንተ ኾይኑ ግና ብቱሚም ጌርካ መልሰለይ” ኢሉ ፀለየ። ሽዑ እቲ ዕፃ ናብ ዮናታንን ሳኦልን በፅሐ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓራ ወፁ። ሳኦል ድማ “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዮናታን ወደይን ዕፃ ኣውድቑ” በሎም። እቲ ዕፃ ድማ ናብ ዮናታን በፅሐ። ሳኦል ድማ ንዮናታን “እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒ” በሎ። ሽዑ ዮናታን “ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ንእሽተይ መዓር ጥዒመ ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ኽመውት ይግብአኒ እዩ” በሎ። ሳኦል ድማ “ኦ ዮናታን፥ ሎሚ እንተ ዘይሞይትካስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በሎ። እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል “ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ኮይኑ ዓብዪ ዓወት ሂቡና እዩ እሞ፥ እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኽመውት እዩ? የለን ኣይኸውንን። ካብ ፀጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ ብህያው እግዚኣብሄር ንምሕል ኣለና” በሉ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዮናታን ካብ ሞት ኣድሓንዎ። ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ተመለሰ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብ ቦታኦም ከዱ። ሳኦል ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሓዘ ድማ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ፥ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ኣሞንን ምስ ኤዶምያስን ምስ ነገስታት ሱባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግአ፤ ኣብ ዝተዋግአሉ ዅሉ ኸዓ ይዕወት ነበረ። ንሱ ጀግና ነበረ፤ ተዋጊኡ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዓሮም፤ ንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ወረርቶም ኣድሓኖም። ኣወዳት ደቂ ሳኦል፥ ዮናታን፥ የሱዊ፥ ሜልኪሳ ይብሃሉ ነበሩ። እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸዓ፥ እታ በዅሪ ሜሮብ፥ እታ ንእሽተይ ድማ ሜልኮል ይበሃላ ነበራ። ሰበይቲ ሳኦል ኣኪናዓም ትብሃል ነበረት፤ ንሳ ጓል ኣሒማዓፅ እያ። ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ኣበኔር ይበሃል ነበረ። ኣበኔር ወዲ ኔር ሓወቦ ሳኦል ነበረ። ቂስ ኣቦ ሳኦልን ኔር ኣቦ ኣበኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም። ብዅሉ ዘመን ሳኦል ከዓ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረአየ፥ ምስኡ ይወስዶ ነበረ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ደቂ እስራኤል፥ ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ እናተቓወሙ ስለ ዝተዋግእዎም፥ ንኣማሌቃውያን ክብቀሎም እየ። ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ። ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ፀዊዑ ኣብ ጌልገላ ቘፀሮም፤ ደቂ እስራኤል ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፥ ሰብ ይሁዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ ኾኑ። ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቃውያን ከደ፤ ኣብ ለሰ ኸዓ ተሓብአ። ሳኦል ድማ ንቄናውያን “ንስኻትኩም ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ምሕረት ጌርኩምሎም ኢኹም እሞ፥ ምስኣቶም ከየጥፍአኩምስ ኪዱ፤ ካብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውፁ” በሎም። ቄናውያን ከዓ ኻብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈለዩ። ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንፅር ግብፂ ዘላ ሹር ተዋጊኡ ሰዓሮም፤ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከዓ ብህይወቱ ሓዞ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ እውን ብስሕለት ሰይፊ ፈፂሙ ኣጥፍኦ። ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ምሩፃት ኣባጊዕን ከፍትን ማጓሉን ፅቡቕ ዝኾነ ዅሉን ከጥፍእዎ ስለ ዘይፈተዉ ሓደግዎ፤ ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈፂሞም ኣጥፍእዎ። ሽዑ “ሳኦል፥ ንኣይ ምስዓብ ስለ ዝሓደገን ትእዛዘይ ስለ ዘይፈፀመን፥ ንእኡ ብምንጋሰይ ተናሳሕኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መፀ። እዙይ ንሳሙኤል ኣቘጥዖ እሞ፥ ምሉእ ለይቲ ናብ እግዚኣብሄር ክምህለል ሓደረ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ክረኽቦ ኢሉ ኣንጊሁ ተስአ። እንተ ኾነ “ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ ከይዱ ኣሎ፤ እንሆ ድማ፥ ንእኡ ዝኸውን ናይ መዘከርታ ሓወልቲ ኣቚሙ ዘይሩ ሓሊፉ፤ ናብ ጌልጌላውን ወሪዱ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኻ፤ እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ እየ” በሎ። ሳሙኤል ግና “እዝ ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘለኹ ናይ ኣባጊዕን ናይ ከፍትን ድምፂ ደኣ እንታይ እዩ?” በሎ። ሳኦል ድማ “እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምፅእወን፥ ካብተን ኣብዑርን ኣባጊዕን ዘዝፀበቓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽስውእወን ኢሎም ዝሓደግወን እየን፤ ነተን ዝተረፋ ግና ፈፂምና ኣጥፊእናየን ኢና” በሎ። ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል “እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ ዝተዛረበኒ ኽነግረካ ፅናሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ። ሳሙኤል ድማ “ንስኻ ንርእስኻ ንእሽተይ ጌርካ እንተ ገመትካያኳ፥ ሓለቓ ነገዳት እስራኤል ኮንካ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብአካ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ኪድ ነቶም ሓጥኣን ኣማሌቃውያን ፈፂምካ ኣጥፍኣዮም፤ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ውግኣዮም’ ኢሉ ሰደደካ። ስለ ምንታይ ኢኻ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዘይፈፀምካ? ስለ ምንታይከ ናብቲ ዝተዘምተ ሰሲዕኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ?” በሎ። ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ፥ ከምቲ ዝለኣኸኒ ገይረ ኸዓ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፂአዮ ኣለኹ፤ ንኣማሌቃውያን ድማ ፈፂመ ኣጥፊአዮም እየ። ግና እቶም ህዝቢ ዝተዘምታ ኣባጊዕን ከፍትን፥ ካብቲ ሕሩም እቲ ዘዝፀበቐ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጌልገላ ኽስውኡሉ ኢሎም ወሰዱወን” በሎ። ቃሉ ምስማዕውን ስብሒ ማጓሉ ኻብ ምቕራብ ይበልፅ። እግዚኣብሄር ከዓ ንጉስ ከይትኸውን ነዓቐካ” ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ። ሕዚ ድማ በይዛኻ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ፤ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ከዓ ምሳይ ተመለስ” በሎ። ሳሙኤል ንሳኦል “ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፥ ምሳኻ ኣይምለስን እየ” በሎ። ሳሙኤል ክኸይድ ገፁ ምስ መለሰ፥ ሳኦል ጫፍ ክዳኑ ኣፅኒዑ ሓዘ እሞ ኽዳን ሳሙኤል ተቐደደ። ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ሎሚ ንመንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ፥ ካባኻ ንዝሐይሽ ንጐረቤትካ ኣሕሊፉ ሃባ። እቲ ሓይሊ እስራኤል፥ ከይናሳሕ ሰብ ኣይኮነን እሞ፥ ንሱ ኣይሕሱን፤ ኣይናሳሕንውን እዩ” በሎ። ሳኦል ድማ “በዲለ እየ። ሕዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድስ ምሳይ ተመለስ” በሎ። ሽዑ ሳሙኤል ምስ ሳኦል ተመለሰ፤ ሳኦል ከዓ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። ሳሙኤል ድማ “ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፅኡለይ” በለ። ኣጋግ ከዓ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠ ናብ ሳሙኤል መፀ። ኣጋግውን “ብሓቂ ሞት ከምዙይ መሪር ድዩ?” በለ። ሳሙኤል ከዓ “ሰይፍኻ ነንስቲ፥ ውሉድ ዘይብለን ከም ዝገበረተን፥ ከምኡ ኸዓ እኖኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ፥ ውሉድ ዘይብላ ትኹን” በለ። ሽዑ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጌልገላ ቘራረፆ። ሳሙኤል ከዓ ናብ ኣርማቴም ከደ፤ ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ደየበ። ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይሓዝን ነበረ። ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ መሊሱ ንሳኦል ክርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተናስሐ። እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ እንተለኹስ፥ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ? ናብ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም ክልእኸካ፥ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝኾነኒ ሪአ ኣለኹ እሞ ቐርንኻ ዘይቲ መሊእኻ ኺድ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ “ዓርሒ ተማላእ እሞ ‘ንእግዚኣብሄር ክስውአሉ ኢለ መፂአ’ በል። ንእሴይ ከዓ ናብቲ መስዋእቲ ፀውዓዮ፤ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፤ ነቲ ዝብለካ ኸዓ ቕብአለይ” በሎ። ሳሙኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፤ ናብ ቤተ ልሔምውን ከደ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ እናንቀጥቀጡ ተቐበልዎ “ብሰላምዶ መፂእኻ?” ኸዓ በልዎ። ሳሙኤል ድማ “ብሰላም እየ፤ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ እየ መፂአ። ተቐደሱ እሞ ምሳይ ናብቲ መስዋእቲ ንዑናይ” በሎም። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፤ ናብቲ መስዋእቲ ድማ ፀውዖም። እሴይን ደቁን ምስ መፁ ኸዓ ሳሙኤል ንኤልያብ ረአዮ፤ “እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግፅ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ኣሎ” ድማ በለ። እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፥ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄር ከም ኣረኣእያ ሰብ ኣይርእን እዩ። ሰብ፥ ገፅ ይርኢ፤ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ” በሎ። ሽዑ እሴይ ንኣሚናዳብ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ሳሙኤል ግና “ነዙይውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን” በለ። እሴይ ሽዑ ንሳማ ኣሕለፎ። ሳሙኤል ግና “ነዙይውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን” በለ። እሴይ ድማ ንሸውዓተ ደቁ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከዓ ንእሴይ “እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሓረዮምን” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “እዚኣቶም ጥራሕ ድዮም ደቅኻ?” በሎ። ንሱ ግና “ገና እቲ ንእሽተይ ተሪፉ ኣሎ፤ እንሆ ድማ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “ንሱ እንተይመፀ ኣብ ማእዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ ልኢኽካ ኣምፅኣዮ” በሎ። እሴይ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ፤ ንሱ ቐይሕ፥ ኣዒንቱን፥ ትርኢቱንውን ፅቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከዓ “ንሱ እዩ እሞ ተሲእኻ ቕብኣዮ” በሎ። ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነዘው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደረ። ሳሙኤል ከዓ ተሲኡ ናብ ኣርማቴም ከደ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሳኦል ረሓቐ፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ከዓ የሳቕዮ ነበረ። እቶም ኣገልገልቱ ድማ ንሳኦል “እንሆ፥ ካብ ኣምላኽ ዝመፀ ኽፉእ መንፈስ የሳቕየካ ኣሎ። እምበኣርከስ ሕዚ ጐይታና ኣብ ቅድሜኻ ዘለና ኣገልገልትኻ፥ ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ክንደሊ ኣዝዘና። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ናባኻ እንትመፅእ ንሱ ብኢዱ በገና ኽፃወተልካ እዩ እሞ ኽሕሸካ እዩ” በልዎ። ሳኦል ድማ ንኣገልገልቱ “እምበኣር ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ደሊኹም ርኸቡለይ እሞ ናባይ ኣምፅኡለይ” በሎም። ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ፥ “እንሆ፥ ወዲ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም፥ ክኢላ ወቓዒ በገና ሪአ ኣለኹ። ንሱ ብርቱዕ ሓያል፥ ተዋጋኢ፥ ዘረባ ዝኽእል መልክዐኛ ሰብ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምስኡ እዩ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ ሳኦል ንእሴይ “እቲ መጓሰ ኣባጊዕኻ ዝሕሉ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። እሴይ ድማ እንጀራን ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓነት ኣድግን፥ ሓደ ወጠጦን፥ ኣትሒዙ ንዳዊት ወዱ ናብ ሳኦል ሰደዶ። ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መፀ እሞ ኣገልጋሊኡ ኾነ፤ ሳኦል ከዓ የመና ፈተዎ፤ ዳዊት ድማ ተሸካም ኣፅዋሩ ኾነ። ሳኦል ድማ ንእሴይ “ዳዊት ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺቡ ኣሎሞ፥ ኣብ ቅድመይ ይቑም” ኢሉ ለኣኸሉ። እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ሳኦል ክመፅእ እንተሎ ዳዊት በገና ሒዙ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ንሳኦልውን የሐጕሶ ነበረ፤ የዕርፎውን ነበረ፤ እቲ ኽፉእ መንፈስውን ካብኡ ይርሕቕ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኽዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሰኮት ናይ ይሁዳ ተኣከቡ፤ ኣብ ኣርፌስደሚም ኣብ መንጎ ሰኮትን ዓዜቃን ከዓ ሰፈሩ። ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ኸቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፤ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ድማ ተሰለፉ። ፍልስጥኤማውያን ነቲ እምባ ብሓደ ወገኑ ቖይሞም፥ እስራኤልውን ነቲ ጎቦ ብኻልእ ወገኑ ቖይሞም ነበሩ፤ ኣብ መንጎኣቶም ድማ ለሰ ነበረ። ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጌት፥ ሽዱሽተ እመትን ስድርን ዝቑመቱ፥ ዋና ጅግና ኻብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ወፀ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፊኡ ነበረ፤ ሓምሳን ሸውዓተን ኪሎ ግራም ዝምዘን ብነሃስ ዝተሰርሐ ድርዒ ተኸዲኑ ነበረ። ኣብ ኣእጋሩ ድማ ብነሃስ ዝተሰርሐ ገምባለ ነበሮ፤ ኣብ መንጎ ማእገሩ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ መዝረቕ ነበሮ። ዛቢያ ዅናቱ ድማ ምርጓዱ ኽንዲ መጠቕለሊ ኣላማይ ነበረ፤ እቲ ዂናቱ ኸዓ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ዝምዘን ነበረ። እቲ ፀዋር ዋልታኡ ድማ ቐቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። ጐልያድ ተሲኡ ነቶም ክዋግኡ ተሰሊፎም ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ዓው ኢሉ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ኢኹም ንውግእ ተሰሊፍኩም ዘለኹም? ኣነ ፍልስጥኤማዊ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ሓሻኽር ሳኦልዶ ኣይኮንክሙን ኢኹም? ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፥ ይግጠመኒ። ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኽቐትለኒ እንተ ኽኢሉ፥ ንሕና ባሮትኩም ንኸውን፤ ኣነ ስዒረ እንተ ቐቲለዮ ድማ፥ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ትግዝኡና” በሎም። ወሲኹ ኸዓ፥ “ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነዞም ተሰሊፎም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል እንሆ ኣባጭወሎም ኣለኹ። ክልቴና ብውግእ ክንፈታተን ሓደ ሰብኣይ ሃቡኒ” በለ። ሳኦልን ኵሉ እስራኤልን ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፥ የመና ፈርሑን ተሸበሩን። ዳዊት ወዲ እሴይ ኤፍራታዊ ኸዓ፥ በዓል ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። እሴይ ሸሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፤ ብዘመን ሳኦል ከዓ ዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ሰብኣይ ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ንሳኦል ተኸቲሎም ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስሞም ከዓ እቲ በዅሪ ኤልያብ፥ እቲ ኻልኣዩ ኣሚናዳብ፥ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይበሃሉ ነበሩ። ዳዊት ካብ ኵሎም ዝነኣሰ ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ምስ ሳኦል ምስ ከዱ ድማ፥ ዳዊት ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤተ ልሔም ክሕሉ ይመላለስ ነበረ። ጐልያድ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ፥ ጊሓትን ምሸትን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ቀሪቡ ይረአ ነበረ። እሴይ ከዓ ንወዱ ዳዊት “እዝ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ቆሎ እዙይን፥ እዝ ዓሰርተ ሕብስትን ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኣብፅሐሎም። እዘን ዓሰርተ ጎጎ ኣጅቦ እዚኣተን ከዓ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን ምህላዎም ረአ፤ ድሃዮም ድማ ኣምፅአለይ፤ ንሳቶም ምስ ሳኦልን ምስ ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።” ንፅባሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተስአ፤ ነተን ኣባጊዕ ምስ ሓላዊ ሓዲግወን፥ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፥ ፆሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኽስለፍ ዝወፀ ሰራዊት ንውግእ ክፍክር እንተሎ ድማ፥ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መፀ። እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ኽዋግኡ ማዕዶ ንማዕዶ ተሰላለፉ። ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቑሑ ኣብ ኢድ ሓላዊ ኣቑሑ ሓዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፤ መፂኡ ኸዓ ነሕዋቱ ደሓን ምህላዎም ጠየቖም። ንሱ ምስኣቶም ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ፥ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ ጅግና በዓል ጌት፥ ካብቶም ዝተሰለፉ ፍልስጥኤማውያን ውፅእ ኢሉ፥ ከምቲ ቕድም ኢሉ ዝፍክሮ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ፈኸራኡ ቐፀለ፤ ዳዊት ድማ ነዙይ ሰምዖ። ሰብ እስራኤል ከዓ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረአይዎ ዅሎም ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ የመናውን ፈርሑ። እቶም ሰብ እስራኤል ድማ “ነዝ ተሲኡ ዘሎ ሰብኣይ እዙይ ትርእይዎዶ ኣለኹም? ንእስራኤል ከባጩ እዩ ተሲኡ ዘሎ። ነቲ ነዙይ ዝቐትል ሰብኣይ ንጉስ ከሀብትሞ እዩ፤ ጓሉ ኸዓ ኽህቦ፥ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ካብ ግብሪ ነፃ ኽገብሮ እዩ” በሉ። ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ነቲ ዝቐትሎ ሰብኣይ ከምዙይ ክግበረሉ እዩ” ኢሎም ነቲ ቕድም ዝበልዎ ገለፁሉ። እቲ ዓብዪ ሓዉ ኤልያብ ድማ ዳዊት ምስቶም ሰባት ክዛረብ እንተሎ ሰሚዑ፥ የመና ተቘጥዖ፤ “እንታይ ክትገብር ናብዙይ ወረድካ? እተን ውሑዳት ኣባጊዕኸ ኣብ በረኻ ምስ መን ገዲፍካየን? ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ እፈልጥ እየ፤ ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘለኻ” በሎ። ዳዊት ድማ “እንታይዶ እሞ ገይረ እየ? እዙይ ዓብዪ ነገርዶ ኣይኮነን እዩ?” በለ። ናብ ካልእ ገፁ ግልፅ ኢሉ ኸዓ ኸም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ሰባት እውን ከምቲ ቅድም ዝበልዎ ዘረባ ደገሙሉ። እቲ ዳዊት ዝተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዐ ኸዓ፥ ንሳኦል ነገርዎ፤ ንሱ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ። ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ብዛዕባዙይ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፤ ኣነ ሓሽከርካ ኸይደ ምስ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ክዋጋእ እየ” በሎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት “ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፤ ጐልያድ ግና ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፥ ምስ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ክትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ። ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ኣነ ሓሽከርካ ኣባጊዕ ኣቦይ እጓሲ ነበርኩ፤ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ እንትወስድ፥ ኣነ ደድሕሪኡ ወፂአ እቐትሎ፤ ካብ ኣፉውን ኣግድፎ ነበርኩ። ክበልዐኒ እንተ መፀ ኸዓ፥ ብጎሮሮኡ ሒዘ ወቒዐ እቐትሎ ነበርኩ። ኣነ ሓሽከርካ ኣንበሳን ድብን ዝቐተልኩ ሰብ እየ። እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ከዓ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ኣባጭዩ እዩ እሞ፥ ከም ሓደ ኻብኣቶም ክኸውን እዩ” በሎ። ሳኦል ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኪድ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን” በሎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳኑ ኸደኖ፤ ኣብ ርእሱ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፍአሉ፤ ድርዒውን ከደኖ። ዳዊት ድማ ሰይፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዓጠቐ። ፈቲኑዎ ኣይፈልጥን እሞ ክኸይድ ጀመረ። ዳዊት ድማ ንሳኦል “ፈቲነዮ ስለ ዘይፈልጥ፥ ከምዙይ ኢለ ክኸይድ ኣይክእልን እየ” በሎ፤ ዳዊትውን ካብ ልዕሊኡ ኣውፅኦ። በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብቲ ሩባውን ሓሙሽተ ልሙፃት ኣእማን ሓርዩ፥ ኣብቲ ኽጓሲ እንተሎ ምስኡ ዝነበረ ሳንጣ ኣንበረን፤ ወንጭፉ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኸዓ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ቐረበ። እቲ ፍልስጥኤማዊውን ናብ ዳዊት ቐረበ። እቲ ዋልታኡ ዝፀውር ሰብኣይ ድማ ቐቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ ከዓ ንዳዊት ኣተኲሩ ምስ ረአዮ፥ ንሱ ቐይሕ መልክዐኛ መንእሰይ ነበረ እሞ ነዓቖ። ንዳዊት ከዓ “ብበትሪ እትመፀንስ ኣነ ኸልቢ ድየ?” በሎ፤ ብስም ኣማልኽቱ ድማ ረገሞ። ንዳዊት ከዓ “ነዓ ናባይ፤ ኣነ ኸዓ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ክህቦም እየ” በሎ። ዳዊት ከዓ ነቲ ፍልስጥኤማዊ፦ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ። ሎሚ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ክህበኒ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽቐትለካ፥ ንርእስኻውን ክቘርፃ እየ፤ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከዓ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ፤ ሽዑ ኣብ እስራኤል፥ ኣምላኽ ከም ዘሎ፥ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ። እቲ ውግእ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ዘድሕን ብሰይፍን ብዂናትን ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እዝ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኽህበና እዩ” በሎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ተሲኡ ንዳዊት ክገጥሞ ምስ ቀረበ፥ ዳዊትውን ንጐልያድ ክገጥሞ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ። ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ሳንጣ ኣእትዩ፥ ካብኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፈ፤ ንጐልያድ ድማ ግምባሩ ኣንሃሎ፤ እታ እምኒ ኸዓ ናብ ግምባሩ ኣተወት፤ ንሱ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፍአ። በዝ ኸምዙይ፥ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ሰዒሩ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ፤ ዳዊት ግና ኣብ ኢዱ ሰይፊ ኣይነበሮን። ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፤ ነቲ ሰይፊ ጐልያድ ካብ ሰገባኡ መሲቱ ድማ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ርእሱ ቘረፆ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ሃደሙ። ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከዓ ተሲኦም ፈከሩ እሞ፥ ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ደገታት ኣቃሮንን ኣሳጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መንገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ኣቃሮንን ተወጊኦም ወደቑ። ደቂ እስራኤል ከዓ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፥ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ። ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦ። ነፅዋር ጐልያድ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ። ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኽገጥሞ እንትወፅእ ምስ ረአዮ፥ ንኣበኔር ሓለቓ ሰራዊት፥ “ኣበኔር፥ እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን እዩ?” በሎ። ኣበኔር ከዓ “ኦ ንጉስ! ከም ዘይፈልጦ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ንጉስ ድማ “እምበኣር እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን ምዃኑ ጠይቕ” በሎ። ዳዊት ንጐልያድ ቀቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ኣበኔር ናብ ሳኦል ኣእተዎ፤ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸዓ ገና ኣብ ኢድ ዳዊት ነበረት። ሳኦል ድማ “ኣታ ቘልዓ፥ ወዲ መን ኢኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “ወዲ ሓሽከርካ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም እየ” በሎ። ዳዊት ምስ ሳኦል ዘረባኡ ወድአ፤ ብድሕሪዙይ ዮናታን ብፍቕሪ ዳዊት ተኣሰረ። ከም ነፍሱ ገይሩውን ኣፍቀሮ። ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ወሰዶ፤ ናብ ቤት ኣቦኡውን ክምለስ ኣይፈቐደሉን። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፥ ኪዳን ኣተወሉ። ዮናታን ከዓ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኻባ ኣውፂኡ ንዳዊት ሃቦ፤ ምስኡ ድማ ናይ ውግእ ኽዳኑን ሰይፉን ቀስቱን ቅናቱን ሸለሞ። ዳዊት ከዓ፥ ሳኦል ኣብ ኵሉ ዝለኣኾ ብምስትውዓል ተልእኾኡ ይፍፅም ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ ኽፋል ተዋጋእቲ ሰራዊቱ ሓለቓ ገበሮ። እዙይ ከዓ ንዅሎም ህዝብን ሹመኛታት ሳኦልን ኣሐጐሶም። ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ውግእ ኣተዉ። ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ድማ ኣንስቲ ብኸበሮን ብዕልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ክቕበላ ወፃ። ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ።” ሳኦል ድማ የመና ተቘጥዐ፤ እዝ ዘረባ እዙይ ከዓ ተሰምዖ እሞ “ንዳዊት እልፊ ሂበናኦ፥ ንኣይ ግና ሽሕ ሂበናኒ፤ ደጊም መንግስቲ ጥራሕ እያ ተሪፋቶ ዘላ” በለ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ኽጥምቶ ጀመረ። ንፅባሒቱ ድማ እቲ ብኣምላኽ ዝተልአኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ትንቢት ተናገረ። ዳዊት ድማ ኸም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ፤ ሳኦልውን ብኢዱ ዂናት ሒዙ ነበረ። “ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣጣቢቐ ኽቐትሎ እየ” ኢሉ ድማ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ግና ኽልተ ሻዕ ካብ ቅድሚኡ ዘወር በለ። እግዚኣብሄር ካብኡ ርሒቑ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሳኦል ንዳዊት ፈርሖ። ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ። ዳዊትውን ብዅሉ ኣካይዳኡ ኣስተውዒሉ ይገብር ነበረ፤ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ። ዳዊት የመና መስተውዓሊ ኸም ዝኾነ ሪኡ ሳኦል ፈርሖ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ግና፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ይወፅእን ይኣቱን ስለ ዝነበረ፥ ንዳዊት ፈተውዎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት “ጥራሕ ብርቱዕ ወዲ ኹነለይ፤ ውግእ እግዚኣብሄርውን ተዋጋእ እምበር፥ እንሆ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኮነካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሳኦል ከዓ፥ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ኣብኡ ይኹን እምበር ኢደይስ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን” ይብል ነበረ። ዳዊት ድማ ንሳኦል “ሓሙ እቲ ንጉስ ዝኸውንስ ኣነ መን እየ? ህይወተይከ እንታይ እያ? ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ?” በሎ። ግና ሜራብ ጓል ሳኦል፥ በታ ንዳዊት ክትወሃብ ዝተሓስበትላ ጊዜ፥ ንዓድርኤል ነቲ መሖላታዊ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ተውሃበት። ሜልኮል ጓል ሳኦል፥ ንዳዊት ፈተወቶ፤ እዙይ ድማ ንሳኦል ነገርዎ፤ እቲ ነገር ከዓ ንሳኦል ደስ ኣበሎ። ሳኦል ድማ “ፍልስጥኤማውያን ምእንቲ ኽቐትልዎ መፈንጠር ክትኮኖ፥ ንኣኣ ኽህቦ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካልኣይ ጊዜ “ሎሚውን ሰብኣይ ጓለይ ክትከውን ኢኻ” በሎ። ሳኦል ከዓ ነቶም ሓሻኽሩ “እንሆ፥ ንጉስ ብኣኻ ደስ ኢልዎ ኣሎ፤ ኵሎም ሓሻኽሩ ድማ ፈትዮምኻ ኣለዉ፤ ሕዚ ኸዓ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ኩን ኢልኩም ንዳዊት ብምስጢር ተዛረብዎ” ኢሉ ኣዘዞም። እቶም ሓሻኽር ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ከዓ “ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብ እየ፤ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምዃንስ ንእሽተይ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ?” በሎም። እቶም ሓሻኽር ሳኦል ከዓ ዳዊት ከምዙይ ከም ዝበለ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከውድቖ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ “ኣብቶም ፀላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኽፈድስ፥ ንጉስ፥ ብዘይ ሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን፥ ካልእ ዝደልዮ ውህብቶ የብሉን” ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ በሎም። እቶም ኣገልገልቲ ሳኦል ድማ እዝ ዘረባዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፥ ሽዑ ዳዊት ሰብኣይ ጓል ንጉስ ክኸውን ተሓጐሰ። ገና እተን መዓልቲታት እንተይኣኸላ ድማ፥ ዳዊት ምስቶም ሰዓብቱ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምእንቲ ክኸውን፥ እቲ ቝልፈቶም ቈሪፁ ኣምፅአ፤ ነቲ ንጉስ ከዓ ምሉእ ቍፅሪ ገይሩ ሃቦ። ሳኦል ድማ ጓሉ ሜልኮል ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። ሳኦል እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎን ሜልኮል ጓሉ ድማ ኸም ዝፈተወቶን ምስ ረአየን ምስ ፈለጠን፥ ንዳዊት የመና ፈርሖ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ፀላኢ ዳዊት ኮነ። ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽዋግኡ በብጊዜኡ ይወፁ ነበሩ። በብዝወፁላ ድማ ኻብ ኵሎም ሓሻኽር ሳኦል፥ ዳዊት ብምስትውዓል ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ስሙ የመና ገነነ። ሳኦል ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ሓሻኽሩን ንዳዊት ክቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት ብዙሕ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ “ኣቦይ ሳኦል ክቐትለካ ይደሊ ኣሎሞ፤ በይዛኻ ፅባሕ ንግሆ ተጠንቀቕ፤ ናብ ግሉስ ቦታ ኼድካ ተሓባእ። ኣነ ኸዓ ኣብታ ንስኻ ዘለኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፥ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፤ ዝኾነ ነገር ምስ ፈለጥኩ ኸዓ ኽነግረካ እየ” በሎ። ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል “ዳዊት ኣይበደለካን፤ ግብሩ ኸዓ ንኣኻ ጠቒሙካ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሽከርካ ዳዊት በደል ኣይትፈፅም። ንሱ ንህይወቱ እንተይሰስዐ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን እዙይ ርኢኻ ተሓጐስካ። ስለ ምንታይከ ብዘይ ምኽንያት ንዳዊት ብምቕታል ኣብ ደም ንፁህ ሰብ ትብድል?” ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ፅቡቕ ተዛረበ። ሳኦል፥ ዘረባ ዮናታን ምስ ሰምዐ፥ “ዳዊት ኣይመውትን እዩ” ኢሉ ብህያው እግዚኣብሄር መሓለ። ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ፀውዖ፤ እዝ ዅሉ እዙይ ከዓ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፥ ዳዊት ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ። መሊሱ ድማ ውግእ ኾነ። ዳዊት ከዓ ወፂኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ኣበርቲዑ ስለ ዝወቕዖም ከዓ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ፤ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ እንተሎ ኸዓ፥ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ከጣብቖ ወርወረ፤ ንሱ ግና ኻብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፤ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኸለ። ዳዊት ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሙ ኣምለጠ። ሳኦል ድማ፥ ሕልው ሓዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ። ሜልኮል ሰበይቲ ዳዊት ግና “በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሓንካ፥ ፅባሕ ክትቅተል ኢኻ” ኢላ ነገረቶ። ሜልኮል ከዓ፥ ብመስኮት ኣስሊዃ ኣውረደቶ እሞ ኸደ፤ ሃዲሙውን ኣምለጠ። ሜልኮል ድማ ምስሊ ጣዖት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣጋደመቶ፤ ኣብ ትርኣሱውን መኼዳ ፀጕሪ ጤል ገበረትሉ፤ ክዳንውን ከደነቶ። ሳኦል ንዳዊት ከምፅእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ፥ ሜልኮል “ዳዊት ሓሚሙ እዩ ዘሎ” በለቶም። ሽዑ ሳኦል፥ “ንዳዊት ምእንቲ ኽቐትሎስ፥ ብዓራት ጌርኩም ኣምፅኡለይ” ኢሉ ልኡኻት ናብ ዳዊት ሰደደ። እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ ድማ፥ እንሆ እቲ ምስሊ ጣዖት መኼዳ ፀጕሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ። ሽዑ ሳኦል ንሜልኮል “ስለ ምንታይከ ኸምዙይ ጌርኪ ኣታለልክኒ? ነቲ ፀላእየይከ ስለ ምንታይ ከምልጥ ሓደግክዮ?” በላ። ሜልኮል ከዓ ንሳኦል “ንሱ ‘ከምልጥ ሕደግኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽቐትለኪ እየ’ ኢሉኒ” በለቶ። ዳዊት ድማ ሃዲሙ ኣምለጠ፤ ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም ከዓ መፀ፤ እቲ ሳኦል ኵሉ ዝገበሮውን ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ኣውቴዝራማ ኸይዶም ተቐመጡ። ንሳኦል ድማ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ዝሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ፥ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዝመርሖም ጉባኤ ነቢያት ክንበዩ ምስ ረአዩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል መፀ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። እዙይ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፥ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከዓ መሊሱ ንሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። “እነሆ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣለዉ” ኢሉ መለሰሉ። ሳኦል ከዓ ናብኡ፥ ናብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ከደ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ፤ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ክሳዕ ዝበፅሕ ኸዓ እናተነበየ ኸደ። ንሱ ድማ ኽዳውንቱ ደርቢዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፤ ጥራሑ ኾይኑ ኸዓ ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ወዲቑ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዮም “ሳኦል እውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ይበሃሃሉ ዝነበሩ። ሽዑ ዳዊት ካብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ሃዲሙ ናብ ዮናታን መፀ። “ኣቦኻ ኸምዙይ ገይሩ ኽቐትለኒ ዝደሊ ዘሎስ፥ እንታይ ገይረ እየ? በደለይከ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ዮናታን ድማ “እዙይስ ካባኻ የርሕቆ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። ኣቦይ ዓብዪ ነገር ኮነ ንእሽተይ ነገር ንኣይ እንተይነገረ ዝገብሮ የብሉን። እዙይ ዘይኸውን እዩ። ነዙይ ኣቦይ ካባይ ኣይምሓብኦን” በሎ። ዳዊት ግና መሊሱ “ኣቦኻ፥ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ ‘ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዙይ ኣይፍለጥ’ ኢሉ ሓሲቡ ኣሎ። ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን፥ ስጕምቲ ጥራሕ ተሪፉ ኸምዘሎ፥ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለ። ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፥ “ኵሉ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኽገብረልካ እየ” በሎ። ዳዊት ከዓ ንዮናታን፥ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ፤ ኣነ ድማ ምስ ንጉስ ኣብ ማእዲ ኽበልዕ ይግብአኒ ነይሩ። ግና ኽሳዕ ድሕሪ ፅባሕ ምሸት ኣብ በረኻ ኽሕባእ ኣሰናብተኒ። ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፥ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፥ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤተ ልሔም ክኸይድ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ በል’ በሎ። ‘ይኹን’ እንተበለካ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ደሓን ማለት እዩ። የመና እንተ ተቘጥዐ ግና፥ ክፉእ ኸም ዝመደበ ፍለጥ። እምበኣርከስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ካብ ኣተኻለይ፥ ምሕረት ግበረለይ። በደል እንተ ተረኺቡኒ ግና፥ ስለ ምንታይ ናብ ኣቦኻ እተብፅሐኒ? ባዕልኻ ቕተለኒ” በሎ። ዮናታን ከዓ “እዙይስ ካባኻ ይርሓቕ። ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም ዝተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፥ ኣነኸ ዘይነግረካዶ ይመስለካ?” በሎ። ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፥ “ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ መን ክነግረኒ እዩ?” በሎ። ዮናታን ድማ ንዳዊት “ንዓናይ እሞ ናብ በረኻ ንውፃእ” በሎ። ክልቲኦም ከዓ ናብ በረኻ ወፁ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፤ ፅባሕ ወይ ድሕሪ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ብዛዕባኻ ነቦይ መርሚረ፥ እንሆ ኸዓ፥ ደሓን እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ልኢኸ ኽነግረካ እየ። ኣቦይ ብኣኻ ኽፉእ መኺሩ እናሃለወ እንተ ዘይነገርኩኻ፥ ብደሓን እውን እንተ ዘይሰደድኩኻ፥ እግዚኣብሄር ይቕዘፈኒ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፥ ምሳኻ ይኹን። ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ግና፥ ምእንቲ ኸይመውት ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ፀላእቲ ዳዊት ካብ ገፅ ምድሪ ምስ ኣጥፍአ፥ ምሕረትካ ንዘለኣለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርፅ” በሎ። ሽዑ ዮናታን “እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቲ ዳዊት ይድለዮ” ኢሉ፥ ምስ ቤት ዳዊት ቃል ኪዳን ኣተወ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፥ ስለ እቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ መሓለሉ። ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፦ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ። እታ ወንበርካ ጥራሓ ኽትከውን እያ እሞ ኸም ዘየለኻ ኽትፍለጥ ኢኻ። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኣዐሪኻ ኽትፍለጥ ኢኻ እሞ ቐልጢፍካ ውረድ፤ ናብታ እቲ ነገር ኽግበር ብዝተሓሰበላ መዓልቲ ተሓቢእኻላ ዝነበርካ ቦታ ምፃእ፤ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ድማ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ንዒላማ ኸም ዝውርውር ሰለስተ ፍላፃ ናብኣ ኣቢለ ኽውርውር እየ። ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘ኪድ ነቲ ፍላፃታት ድለዮ’ ኢለ ድማ ኽሰዶ እየ፤ ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘እነሆ፥ እቲ ፍላፃ ካባኻ ናብዙይ እዩ ዘሎ፥ ሒዝካዮ ናባይ ነዓ’ እንተ በልክዎ፥ ንኣኻ ደሓን ማለት እዩ፤ ሽዑ ምፃእ ዝኾነ ነገር ከም ዘይህሉ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ነቲ መንእሰይ ‘እንሆ፥ እቲ ፍላፃታት ካባኻ ንንየው እዩ ዘሎ’ እንተ በልክዎ ግና ሽዑ እግዚኣብሄር ኣሰናቢቱካ እዩ እሞ፥ ኪድ። ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን ዝተዛረብናዮ ነገር ከዓ፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በሎ። ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ተሓብአ። በታ ወርሒ እትወፀላ በዓል ከዓ ንጉስ ክበልዕ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። ከም ልማዱ ድማ ኣብ መንበሩ፥ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተፀጊዑ ዝነበረ ወንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጠ። ኣበኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ወንበር ዳዊት ከዓ ጥራሓ ነበረት። ሳኦል ግና “ዝኾነ ረኺብዎ እዩ ንፁህ ኣይኮነን፤ ብርግፅ ንፁህ ኣይኮነን እዩ” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈፂሙ ኣይተዛረበን። ወርሒ ምስ ወፀት ድማ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እታ ወንበር ዳዊት ጥራሓ ነበረት። ሳኦል ከዓ ንዮናታን ወዱ፤ “ወዲ እሴይ ትማሊ ኾነ ሎሚ ናብ ማእዲ ዘይመፀ ስለ ምንታይ እዩ?” በሎ። ዮናታን ድማ ንሳኦል “ዳዊት ‘ናብ ቤተ ልሔም ክኸይድ ፍቐደለይ’ ኢሉ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ፥ ‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌትና ዝውፈ መስዋእቲ ኣሎ እሞ፥ ሓወይ ፀዊዑኒ ኣሎ፤ ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ከይደ ኣሕዋተይ ክርኢ በይዛኻ ስደደኒ’ በለኒ። ስለዙይ እዩ ናብ ማእዲ ንጉስ ዘይመፀ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነደደ፤ “ኣታ ወዲ እዛ ቐይናን ዓመፀኛ ሰበይቲ፥ ነቲ ነውርኻን ንነውሪ እታ ዝወለደትካ እኖኻን ዝኸውን፥ ወዲ እሴይ ከም ዝሓረኻ ኣይፈልጥን ድየ? ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ ንስኻ ኾነ መንግስትኻ ኣይትፀንዕን እያ። ሕዚ ኸዓ ንሱ ወዲ ሞት እዩእሞ ልኢኽካ ኣምፅአለይ” በሎ። ዮናታን ከዓ ነቦኡ ሳኦል “ስለ ምንታይ እዩ ዝመውት? እንታይከ ገይሩ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሳኦል ድማ ኽወግኦ ዂናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፥ ኣቦኡ ንዳዊት ክቐትሎ ኸም ዝወሰነ ፈለጠ። ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ ማእዲ ተስአ፤ ኣቦኡ፥ ንዳዊት ስለ ዘዋረዶ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፥ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እንጀራ ኣይበልዐን። ንፅባሒቱ ድማ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት ዝተሰማምዖ ናብ በረኻ ወፀ፤ መንእሰይ ሓሽከርውን ምስኡ ነበረ። ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ “ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላፃታት ድለዮ” በሎ። እቲ ወዲ ኽጐዪ እንተሎ ፍላፃ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ። እቲ ሓሽከር ኣብታ ዮናታን ፍላፃ ዝወርወረላ ቦታ ምስ በፅሐ፤ ዮናታን ነቲ ሓሽከር ፀዊዑ “እቲ ፍላፃ ካባኻ ንንየውዶ ኣይኮነን ዘሎ?” “ተሎ በል፤ ቀልጥፍ፥ ደው ኣይትበል” እናበለ ዓው ኢሉ ነቲ ሓሽከር ፀውዖ። እቲ ሓሽከር ዮናታን ድማ ነቲ ፍላፃታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ ተመለሰ። ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራሕ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር እቲ ሓሽከር ኣይፈልጥን ነበረ። ዮናታን ከዓ ኣፅዋሩ ነቲ ሓሽከሩ ሂቡ፥ “ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ” በሎ። እቲ ሓሽከር ምስ ከደ ድማ፥ ዳዊት ካብቲ ስፍራ ብወገን ደቡብ ተሲኡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሻዕ ፍግም በለ። ዮናታንን ዳዊትን ከዓ ተሰዓዓሙ፤ ብሓደ ኾይኖም ድማ በኸዩ፤ ምናዳ እኳ ዳዊት የመና በኸየ። ዮናታን ድማ ንዳዊት፥ “ብሰላም ኪድ፤ ንሕና ኽልቴና፥ ‘ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ምስክር ይኹን’ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተመሓሒልና ኢና” በሎ። ዳዊት ከዓ ተሲኡ ኸደ፤ ዮናታንውን ናብ ከተማ ኣተወ። ዳዊት ናብ ካህን ኣቢሜሌክ ናብ ኖብ መፀ። ኣቢሜሌክ ከዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጠ ንዳዊት ክራኸቦ ወፀ፤ “ስለ ምንታይ ኢኻ ሰብ ዘይብልካ፥ በይንኻ መፂእኻ?” ኢሉውን ጠየቖ። ዳዊት ድማ ንኻህን ኣቢሜሌክ፥ “ንጉስ፥ ‘እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ’ ኢሉ ስለ ዝኣዘዘኒ፥ እቶም ኣጓብዝ ኣብ ሓደ ቦታ ኽቕበሉኒ ኣመልኪተዮም ኣለኹ። ሕዚ ኸዓ ኣብ ኢድካ እንታይ ኣሎ? ሓሙሽተ እንጀራ ወይ ዝተረኽበ ኣብ ኢደይ ሃበኒ” በሎ። እቲ ኻህን ድማ ንዳዊት “ኵሉ ዝበልዖ እንጀራ ኣብ ኢደይ የለን፤ እቶም ኣጓብዝ ካብ ኣንስቲ ዝተሓለዉ እንተ ኾይኖም ግና ቅዱስ እንጀራ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። ዳዊት ከዓ ነቲ ኻህን “ብሓቂ ኻብ እንወፅእ ጀሚሩ ንሕና ንሰብነትና ኻብ ኣንስቲ ንሰለስተ መዓልቲ ሓሊና ኢና፤ ኣቕሓ እቶም ኣጓብዝውን፥ ዝተቐደሰት እያ። ሎሚ ኣቕሓኦም ዝተቐደሰት ብምዃና፥ እቲ እንጀራ ኸም ዝብላዕ እንጀራ ይኸውን እዩ” በሎ። እቲ ኻህን ከዓ ብዘይ እቲ ብትኩስ እንጀራ ኽትካእ ኢሎም ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘልዓልዎ ሕብስቲ ቝርባን፥ ኣብኡ ኻልእ እንጀራ ስለ ዘይነበረ፥ ነቲ ቕዱስ እንጀራ ሃቦ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ። ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “እቲ ናይ ንጉስ ነገር ዘሀውኽ ስለ ዝኾነ ሰይፈይን ኣፅዋረይን ኣይተማላእኹን እሞ፥ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣባኻዶ ኣሎ?” በሎ። እቲ ኻህን ድማ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ኤላህ ዝቐተልካዮ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ፥ እንሆ፥ ንሱ በዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፉድ ኣሎ፤ ኣብዙይ ከምኡ ዝበለ ኻልእ የለን እሞ፥ ክትወስዶ እንተ ደሊኻስ፥ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ከዓ “ከምኡ ዝበለ የለን እሞ ንእኡ ሃበኒ” በሎ። ተሲኡ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሃደመ፤ ናብ ኣንኩስ ንጉስ ጌት ድማ ኸደ። ኢለን ኣንስቲ እናሳዕስዓ ዝደረፋሉ፥ እዙይዶ ኣይኮነን?” በልዎ። ዳዊት ድማ ነዝ ዘረባ እዙይ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፤ ንኣንኩስ ንጉስ ጌት ከዓ የመና ፈርሖ። ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ባህርዩ ለወጠ፤ ኣብ ኢዶም ድማ ኸም ዕቡድ ኮነ፤ ኣብቲ መድረኽ መዓፁ እቲ ኣፍ ደገውን ፈርፈር በለ፤ ልዛዩ ኸዓ ብጭሕሙ ዘርበብ ይብል ነበረ። ሽዑ ኣንኩስ ንሹመኛታቱ “እንሆ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ዕቡድ ምዃኑ ትሪእዎ ኣለኹም፤ ስለ ምንታይ ናባይ ኣምፃእኹምዎ? ኣብ ቅድመይ ክዓብድ ዘምፃእኹምለይስ፥ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ? እዙይዶ ናብ ገዛይ ክኣቱ ይግባእ?” በሎም። ዳዊት ድማ ኻብ ጌት ሃዲሙ ናብታ ኣብ ጥቓ ኣዱላም ዘላ በዓቲ ተሓብአ። ኣሕዋቱን ኵሎም ቤት ኣቦኡን እዙይ ምስ ሰምዑ ኸዓ ናብኡ ወረዱ። ኵሎም ግፍዒ ዝበፅሖምን ኵሎም ሰብ ዕዳን ኵሎም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ ሓለቓ ኾነ። ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ምስኡ ነበሩ። ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ምፅጳ ናይ ሞኣብ ከደ፤ ንንጉስ ሞኣብ ከዓ “ኣምላኽ ዝገብረለይ ክሳዕ ዝፈልጥስ፥ በይዛኻ ኣቦይን እኖይን ምሳኻትኩም ይፅንሑ” በሎ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምፅኦም፤ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልቲታት ከዓ ምስኡ ተቐመጡ። ነቢይ ጋድ ድማ ንዳዊት “ኣብዝ እምባዙይ ኣይትቀመጥ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሔሬት መፀ። ሳኦል ድማ፥ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ሓደ ቦታ ኸም ዘለዉ ሰሚዑ ኣብ ገባዖን ዂናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፤ ኵሎም ሹመኛታቱ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ሳኦል ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሹመኛታቱ “ኣቱም ብንያማውያን፥ እስኪ ስምዑ፤ ወዲ እሴይስ ንዅልኹምዶ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ክህበኩም እዩ? ንዅልኹምከ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ክገብረኩም ድዩ? ነዙይ ዲኹም ኵልኻትኩም ዝተመሳጠርኩምለይ? ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም ዝተኣታተወ፥ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የለን። ወደይ ንሓሽከረይ ዳዊት፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ከተስአለይ እንተሎ፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝተገደሰለይን ዝገለፀለይን የለን” በሎም። ሽዑ ምስቶም ሹመኛታት ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ፥ “ንወዲ እሴይ ናብ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብ ኖብ መፂኡ ሪአዮ ነይረ። ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፤ ምግቢውን ሂብዎ፤ ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ከዓ ሂብዎ” ኢሉ ንሳኦል ነገሮ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብን ንዅሎም እቶም ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናት ኣዝማዱን ልኢኹ ፀውዖም። ኵላቶም ከዓ ናብ ንጉስ መፁ። ሳኦል ድማ፥ “ኣታ ወዲ ኣኪጡብ፥ እስኪ ስምዐኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ፥ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ። ሳኦል ድማ “ንሱ ኸምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ክትስአኒ ንእኡ እንጀራን ሰይፍን ብምሃብካ፥ ምእንታኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፥ ስለ ምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን ዝተመሳጠርኩምለይ?” በሎ። ኣቢሜሌክ ከዓ ንንጉስ “ካብ ኵሎም ሹመኛታትካ ኸም ዳዊት ዝተኣመነ፥ ሰብኣይ ጓልካውን ዝኾነ፥ ሓለቓ ሓለውትኻ፥ ኣብ ቤተ መንግስትኻውን ዝኸበረ፥ መን ኣሎ? ብርግፅ ንኣምላኽ ጠይቐሉ ነይረ፤ እዙይ ከዓ ሽዑ ናይ መጀመርታይ ኣይነበረን። ኣነ ሓሽከርካ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ዝፈልጦ ነገር የብለይን እሞ፥ ንጉስ ንኣይን ንዅላ ቤት ኣቦይን ከም በደልቲ ኣይትቝፀረና” ኢሉ መለሰሉ። ንጉስ ግና “ኣቢሜሌክ፥ ንስኻን ኵላ ቤት ኣቦኻን ብርግፅ ክትሞቱ ኢኹም” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቖሙ እግረኛታት “ዳዊት ከም ዝሃደመ ፈሊጦም እንተለዉ ስለ ዘይነገሩኒ፥ ልቦምውን ምስኡ ስለ ዝኾነት፥ ኬድኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም” በሎም። እቶም ሹመኛታት ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ከልዕሉ ኣይደለዩን። ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶይቅ “ነዞም ካህናት፥ ንስኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ ድማ ኸይዱ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ዝለበሱ ኻህናት ቀተለ። ንኖብ፥ ነታ ኸተማ ኻህናት፥ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዓ፤ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝጠብዉ ህፃናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሰይፊ ቐተለ። ሓደ ኻብቶም ደቂ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብያታር ዝስሙ፥ ግና መሊቑ ናብ ዳዊት ሃደመ። ኣብያታር ከዓ፥ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ። ዳዊት ድማ ንኣብያታር “ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኡ ምስ ረአኽዎ፥ እዙይ ንሳኦል ከም ዝነግሮ ብርግፅ ፈሊጠ ነይረ። ንዅሎም ኣዝማድካ ምኽንያት ሞቶም ኣነ እየ። እቲ ንነፍሰይ ዝደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፥ ንስኻ ኽትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፤ ኣይትፍራሕ” በሎ። ንዳዊት ድማ፥ “እንሆ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይወግእዋ፤ ዓውድታትውን ይወርሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት “ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ኪድ፥ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእኻ ንቅዒላ ኣድሕና” በሎ። ግና እቶም ሰዓብቲ ዳዊት “እንሆ፥ ንሕና ኣብዙይ ኣብ ይሁዳ እንተለና እኳ እንፈርሕ ዘለናስ፥ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኼድና ግዳ ምፍራሕና ኽገድድዶ ኣይኮነን?” በልዎ። ዳዊት ከዓ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ናብ ቅዒላ ኼድካ ተዋግኣዮም” ኢሉ መለሰሉ። ዳዊት ከዓ ምስ ሰዓብቱ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፥ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ከብቶም ድማ ዘመተ፤ ብዙሕ ሰብ ከዓ ቐተለሎም። በዙይውን ነቶም ሰብ ቅዒላ ኣድሓኖም። ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ፥ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኽሃድም እንተሎ ኤፉድ ተማሊኡ ወረደ። ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ድማ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ከዓ “ናብታ ቕፅርን ማዕፆ ሓፂንን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓፅዩ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ” በለ። ቀፂሉ ድማ ሳኦል ንዅሉ ሰራዊቱ ንውግእ ክኸቱን ናብ ቅዒላ ወሪዶም ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክኸብዎም ኣወጀ። ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር “ኤፉድ ኣምፅእ” በሎ። ከምዙይ ድማ በለ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ሳኦል ናብ ቅዒላ መፂኡ ብሰንከይ ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ ኸም ዝደሊ፥ ኣነ ባርያኻ ብርግፅ ሰሚዐ ኣለኹ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ክወርድ እዩ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣሕሊፎም ክህቡኹም እዮም” በሎ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ሽዱሽተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰዓብቱን ተልዒሎም ካብ ቅዒላ ወፁ፤ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ድማ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ሳኦል ከዓ፥ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሃደመ ምስ ነገርዎ፥ ምውፃእ ሓደገ። ዳዊት ድማ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ተቐመጠ፤ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ዘሎ ኾረብታውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከዓ ዅሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፤ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ኣይሃቦን። ዳዊት፥ ሳኦል ክቐትሎ ደልዩ ኸም ዝወፀ ረአየ። ሽዑ ኣብታ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ እትርከብ ኣብ ሆረሽ ይቕመጥ ነበረ። ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተሲኡ፥ ናብቲ ዳዊት ዘለዎ ናብ ሆረሽ ከደ፤ “እግዚኣብሄር ክሕልወካ እዩ” ኢሉውን ኣተባብዖ። ኣስዒቡ ኸዓ “ኣቦይ ክጐድአካ ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ኻልኣይካ ክኸውን እየ፤ ነዙይ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ” በሎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ኽልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ኣብ ሆረሽ ተቐመጠ፤ ዮናታን ከዓ ናብ ቤቱ ተመለሰ። ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም፦ “ዳዊት ኣብቲ ዱር ዘሎ ብየሴሞን ደቡብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ኤኬላ ተሓቢኡ ኣሎ። ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ንጉስ! ኣብቲ ደስ ዝበለካ ጊዜ ውረድ፥ ንዳዊት ኣብ ኢድካ ኣሕሊፍና ምሃብ ግና ናትና ሓላፍነት እዩ” በልዎ። ሳኦል ድማ “ስለ ዝሓሰብኩምለይ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም። ንሱ የመና ጐራሕ ከም ዝኾነ፥ ነጊሮምኒ ኣለዉ እሞ፥ በይዛኻትኩም ኬድኩም ኣበይ ከም ዝመላለስን መን ከም ዝረአዮን ኣረጋጊፅኩም ፍለጡን ረአዩን። እቲ ንሱ ዝሕብአሉ መሕብኢታት ርኢኹም ከዓ ፍለጡ፤ ምስ ኣረጋገፅኩም ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፥ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ። ኣብታ ምድሪ እንተ ተሓቢኡ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸውፅኦ እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ተሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ብየሴሞን ብወገን ደቡብ ኣብ ዘሎ ጐልጐል ነበሩ። ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ። ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ናብቲ ኣኻውሕ ወሪዱ ኣብ ምድረ በዳ ማዖን ተቐመጠ። ሳኦል ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ደድሕሪ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ማዖን ሰዓበ። ሳኦልን ሰዓብቱን ነቲ ጎቦ ብሓደ ወገኑ ኸዱ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ድማ ነቲ ጎቦ በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ። ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክሕዝዎም ከቢቦምዎም ነበሩ እሞ፥ ዳዊት ካብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ሃደመ። ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መፂኡ “ነዛ ሃገር፥ ፍልስጥኤማውያን ይወርዋ ኣለዉ እሞ፥ ቀልጢፍካ ነዓ” በሎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ምስጓጕ ሓዲጉ ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ስለዙይ ከዓ ነታ ቦታ ኰዅሒ ምፍልላይ ኢሎም ሰመይዋ። ዳዊት ካብኡ ደዪቡ ኣብቲ ናይ ዓይንጋዲ ፅኑዕ ቦታ ተቐመጠ። ሳኦል ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ምስ ተመለሰ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዓይንጋዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ሳኦል፥ ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኡት ወሲዱ፥ ንዳዊትን ሰዓብቱን ኣጣል በረኻ ናብ ዝነብርዎ ኣኻውሕ ጤለ በዱ ኽደልዮም ከደ። ናብቲ ጥቓ መንገዲ ዝነበረ ደምበታት ኣባጊዕ ድማ መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ በዓቲ ነበረ፤ ሳኦል ድማ ደገ ኽፍትን ኣተወ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ። ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ። ድሕሪዙይ ግና፥ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረፀ፥ ንዳዊት ልቡ ወቐሶ። ንሰዓብቱ ድማ “ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ክቐትል ኢለ፥ ኢደይ ካብ ምልዓል እግዚኣብሄር ይሰውረኒ” በሎም። ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ ኸምዙይ ኢሉ ብምዝራብ ገንሖም፤ ንሳኦል ከይቐትልዎ ድማ ኸልከሎም። ሳኦል ከዓ ኻብቲ በዓቲ ወፂኡ መንገዱ ኸደ። ድሕሪዙይ ዳዊት ተሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወፀ፤ “ኦ ጐይታይ ንጉስ!” ኢሉ ኸዓ ንሳኦል ፀውዖ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልፅ ምስ በለ፥ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። ዳዊት ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም ‘እንሆ፥ ዳዊት ክቐትለካ እዩ ዝደሊ’ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ? እግዚኣብሄር ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ በዓቲ ኽቐትለካ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበኒ በዒንትኻ ርኢኻ ኣለኻ። ገሊኣቶም እኳ ኽቐትለካ መኺሮምኒ ነይሮም። ኣነ ግና፥ ‘ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ ክቐትል ኢለ ኢደይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ ራህራህኹልካ። ኣቦይ፥ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ ረአ። ጫፍ ክዳንካ ኽቘርፅ እንተለኹ፥ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘይብለይ ተረዳእን ፍለጥን። ንስኻ እኳ ኽትቀትለኒ እንተ ደለኻ፥ ኣነ ግና ኸም ዘይበደልኩኻ ርኢኻ ፍለጥ። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ እግዚኣብሄርውን ንኣኻ ይበቀለለይ፤ ኢደይ ግና ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን። ከምቲ ምስላ ቐዳሞት ‘ሓጢኣት ካብ ሓጢኣተኛታት ሰባት እዩ ዝወፅእ’ ከም እተብሃለ፥ ኢደይ ግና ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን። ስለዙይ እግዚኣብሄር ዳኛ ኾይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ ሪኡውን ይማጐተለይ፤ ካብ ኢድካውን የድሕነኒ።” ዳዊት እዝ ዘረባ እዙይ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ሳኦል፥ “ወደይ ዳዊት እዙይ ድምፅኻ ድዩ?” በለ፤ ሳኦልውን ድምፁ ዓው ኣቢሉ በኸየ። ንዳዊት ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻ ፅቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፥ ካባይ ብዝበለፀ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እንተሎስ፥ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ፅቡቕ ከም ዝገበርካለይ፥ ሎሚ ኣርአኻኒ። ሰብ ንፀላኢኡ ረኺቡ፥ ብፅቡቕ መንገዲ ሰንዩ ዝሰድድ መን እዩ? ስለ እዝ ሎሚ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ይፍደኻ። ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ንስኻ ብርግፅ ከም እትነግስ፥ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ብዘመንካ ኸም እትፀንዕ እፈልጥ እየ። ሕዚ ኸዓ፥ ብድሕረይ ንዘርአይ ከይተጥፍኦ፥ ንስመይውን ካብ ቤት ኣቦይ ከይትድምስሶ፥ ብእግዚኣብሄር መሓለለይ።” ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ። ሽዑ ሳኦል ናብ ቤቱ ተመለሰ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ናብ እምባ ደየቡ። ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ። ሓደ ኣብ ቀርሜሎስ መሬት ዝነበሮ ሰብኣይ ኣብ ፋራን ነበረ። ንሱ የመና ሃብታም ነበረ፤ ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽሕ ኣጣልውን ነበራኦ። በቲ ጊዜ እቱይ ድማ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኣብ ቀርሜሎስ ይቘርፅ ነበረ። ስሙ ናባል፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኣቢግያ ነበረ። ሰበይቱ የመና መስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት። ንሱ ግና ጨካን፥ ግብሩ ድማ ኽፉእ ነበረ፤ ካብ ዓሌት ካሌብውን ነበረ። ዳዊት ድማ ኣብ ምድረ በዳ እንተሎ፥ ናባል ፀጕሪ ኣባጊዑ ይቘርፅ ከም ዘሎ ሰምዐ። ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጓብዝ ልኢኹ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ናብ ቀርሜሎስ ደይብኩም ናብ እንዳ ናባል እተዉ እሞ ብስመይ ሰላም በልዎ። ከምዙይ ድማ በልዎ፦ ‘ሰላም ንኣኻ ይኹን። ንስኻን ቤተ ሰብካን ዘለካ ዅሉውን ብሰላም ክትህልዉ እምነየልኩም።’ “ሕዚ ኸዓ ፀጕሪ ኣባጊዕ ትቘርፅ ከም ዘለኻ ሰሚዐ። ጓሶትካ ምሳና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣይዓመፅናዮምን፤ ኣብ ቀርሜሎስ ብዝነበሩሉ ጊዜ ኸዓ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍኦምን። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ንኣገልገልትኻ ጠይቆም፤ ንሳቶም ከዓ ኽነግሩኻ እዮም። እምበኣር ብመዓልቲ በዓል መፂእና ኣለና እሞ፥ እዞም ኣጓብዝ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ይርከቡ። በይዛኻ ኣብ ኢድካ ዝተረኽበ ንኣገልጋሊኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም።” እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ምስ መፁ ድማ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ፤ ስቕ ኢሎም ከዓ ተፀበዩ። ናባል ድማ ነቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “ዳዊት መን እዩ? ወዲ እሴይከ መን እዩ? ሎሚ እኮ ኸካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ኣገልገልቲ ብዙሓት እዮም። እንጀራይን ወይነይን፥ እቲ ንቘረፅቲ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ኢለ ዝሓረድክዎ ስጋን፥ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህብ እየ?” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ድማ ዘይሮም ብዝመፁሉ መንገዲ ተመለሱ። መፂኦም ከዓ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ “ነፍሲ ወከፍኩም ሰይፍኹም ተዓጠቑ” በሎም። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰይፉ ተዓጠቐ፤ ዳዊትውን ሰይፉ ተዓጠቐ። ደድሕሪ ዳዊት ከዓ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኡት ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ድማ ኣቑሑ ኽሕልዉ ተረፉ። ንኣቢግያ ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ “እንሆ፥ ዳዊት ካብ ምድረ በዳ ንጐይታና ሰላም ክብልዎ ልኡኻት ሰዲዱ ነይሩ፤ ንሱ ኸዓ ሰጐጎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣና የመና ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፤ ኣይዓመፁናን፤ በቲ ኣብ ምድረ በዳ ምስኣቶም ዝነበርናሉ ጊዜ ድማ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍአናን። ኣባጊዕ ክንጓሲ ምስኣቶም እንተለና፥ ለይቲ ኾነ መዓልቲ፥ ኵልሻዕ ሓፁር ኮይኖምና ነበሩ። ንሱ ድማ ሓደ እኳ ተዛሪቡ ኸስምዖ ዘይኽእል ክፉእ ሰብ እዩ እሞ፥ ሕዚ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፉእ ይመፆ ኣሎ፤ ስለዙይ ረአዪ፤ እትገብርዮ ኸዓ ፍለጢ” በላ። ሽዑ ኣቢግያ ቐልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጀራን፥ ክልተ ሓርቢ ወይንን፥ ሓሙሽተ ዝተዳለዉ ኣባጊዕን፥ ሓሙሽተ መስፈሪ ጥቡስ ሸዊትን፥ ሚእቲ ጎጎ ዘቢብን፥ ክልተ ሚእቲ ጎጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣፅዓነቶ። ንኣገልገልታ ኸዓ “ቐቅድመይ ሕለፉ፤ እኒሀኹ ኽስዕበኩም እየ” በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን። ኣብ ኣድጊ ተቐሚጣ፥ ነቲ ጎቦ ብኸውላ ኸውሊ ኽትድይብ እንተላ፥ እንሆ፥ ዳዊትን ሰዓብቱን ከዓ ይወርዱ ነበሩ። ንሳ ድማ ተራኸበቶም። ዳዊት ከዓ ኸምዙይ ኢሉ ነበረ፦ “ኣነ ኣብ ምድረ በዳ ጥሪቱ ኸይጠፍኦ ኢለ ሓለኹሉ፤ ንሱ ግና ኸንቱ እዩ። ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ መለሰለይ። ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ፥ ካብ ዘለዎ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ብህይወት ሓዲገስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ከምዙይ ይግበር፤ ከምዙይውን ይወስኽ ኢሉ ነበረ።” ኣቢግያ ድማ ንዳዊት ምስ ረአየቶ፥ ቀልጢፋ ኻብቲ ኣድጊ ወረደት፤ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገፃ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት። ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “ኣታ ጐይታይ! እዝ በደል እዙይ ኣባይ ጥራሕ ይኹን። በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ኽዛረብ፤ ቃል ገረድካውን ስማዕ። ጐይታይ! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ናባል፥ ኣብዝ ክፉእ ሰብ እዙይ፥ ኣይተቕልበሉ። ስሙ ናባል እዩ፤ ከም ስሙ ኸዓ ዓሻ እዩ፤ ከም ስሙውን ስራሕ ዓሻ ይሰርሕ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለኣኽካዮም ናይ ጐይታይ ሰባት ኣይረአኽዎምን። “ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ! እግዚኣብሄር ህያው እዩ! ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ። ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዝኸልከለካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕዚ ድማ ፀላእትኻን እቶም ንኣኻ ንጐይታይ ክፉእ ዝደልዩልካን ከም ናባል ይኹኑ። ሕዚ ኸዓ እዝ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዝኽተሉ ኣጓብዝ ይወሃብ። ንስኻ ጐይታይስ ውግእ እግዚኣብሄር እትዋጋእ ሰብ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ፅንዕቲ መንግስቲ ኸም ዘቑመልካ ርግፅ እዩ። እምበኣርከስ፥ በይዛኻ፥ በደለይ በደል ገረድካ ይቕረ በለለይ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ ድማ በዳሊ ዄንካ ኣይትረኸብ። ሰብ እኳ ኽሰጐካን ክቐትለካን እንተ ተስአ፥ ንኣኻ ንጐይታይስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይሓሉኻ፤ ንፀላእትኻ ግና ኸም ብወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፎም። እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ፅቡቕ ዘተስፈወካ ምስ ገበረ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ንጉስ ክትከውን ምስ ሸመካ፥ ንፁህ ደም ኣፍሲሰ፥ ሕነይውን ፈድየ ኢልካ ኣብ ሕሊናኻ ነስሓ ኣይስምዐካን እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻ ንጐይታይ ፅቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ፥ ንኣይ ንገረድካ ዘክረኒ።” ሽዑ ዳዊት ንኣቢግያ ከምዙይ በላ፦ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትራኸብኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን። ለባም ስለ ዝኾንክን በዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ምፍሳስ ደም ክምለስ ስለ ዝገበርክንን ብርኽቲ ኹኒ። በቲ ኽፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ፤ ንስኺ ኽትራኸብኒ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመፅስ ንናባል ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ ሓደ ተባዕታይ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ” በላ። ዳዊት ድማ እቲ ዘምፅአትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉ፥ “እንሆ ዘረባኺ ሰሚዐ፥ ተቐቢለዮ ኣለኹ። ናብ ገዛኺ ብሰላም ተመለሲ” በላ። ኣቢግያ ድማ ናብ ናባል ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ንንጉስ ዝበቅዕ ምሳሕ ኣብ ገዛኡ ነበሮ። ናባል ብመስተ ተሓጒሱ የመና ሰኺሩ ነበረ። ስለዙይ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምንም ኣይተዛረበቶን። ንፅባሒቱ፥ ናባል ስኽራኑ ምስ ወፀሉ፥ ሰበይቱ እዝ ነገር እዙይ ነገረቶ። ሽዑ ልቡ ጠለሞ፤ ከም እምኒውን ኮነ። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኸዓ እግዚኣብሄር ቀሰፎ እሞ ሞተ። ዳዊት ድማ ንኣቢግያ ሰበይቱ ኽትኮኖ ኸም ዝደሊ ለኣኸላ። እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ናብ ቀርሜሎስ መፂኦም ንኣቢግያ “ዳዊት ሰበይቱ ኽትኮንዮ ኽወስደኪ ደልዩ፥ ናባኺ ልኢኹና” ኢሎም ነገርዋ። ሽዑ ንሳ ተሲኣ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፍአት፤ “እኒሀኹ ኣነ ገረዱ፥ ኣእጋር ኣገልገልቲ ጐይታይ ንምሕፃብውን ድልውቲ እየ” በለት። ኣቢግያ ከዓ ቐልጢፋ ተስአት፤ ኣብ ኣድጊ ድማ ተቐመጠት፤ ሓሙሽተ ኣግራዳ ኸዓ ተኸተላኣ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ኸደት፤ ሰበይቱውን ኮነት። ዳዊት ንኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ድማ ወሲድዋ ነበረ። ክልቲአን ከዓ ኣንስቱ ኾና። ሳኦል ግና ንጓሉ ሜልኮል፥ ሰበይቲ ዳዊት ዝነበረት፥ ንፋልጢ ወዲ ለሌሳ በዓል ጋሊም ሂብዎ ነበረ። ሽዑ ሳኦል፥ ንዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ክደልዮ፥ ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ምስኡ ሒዙ፥ ናብ ምድረ በዳ ዚፍ ወረደ። ሳኦል ከዓ ኣብታ ኣብ መንፅር ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዘላ ዀረብታ ሓኪላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብቲ ምድረ በዳ ተቐሚጡ ነበረ። ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ ምድረ በዳ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ ድማ፥ ዳዊት ሰለልቲ ሰዲዱ፥ ሳኦል ብርግፅ ከም ዝመፀ ፈለጠ። ዳዊት ከዓ ተሲኡ፥ ናብታ ሳኦል ሰፊርዋ ዝነበረ ቦታ መፀ። ሳኦልን ኣበኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዝድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ኸዓ ረአየ። ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ደቀሰ፤ እቶም ሓሻኽሩ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ። ሽዑ ዳዊት ንኣቢሜሌክ ሂታውን ንኣቢሳይ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብን “ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር፥ መን ምሳይ ይወርድ?” በሎም። ኣቢሳይ ከዓ “ኣነ ምሳኻ እወርድ” በለ። ዳዊትን ኣቢሳይን ከዓ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መፁ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ለጥ ኢሉ ደቂሱ፥ ዂናቱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ፥ ነበረ። ኣበኔርን እቶም ሓሻኽሩን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ። ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት “ሎሚ ኣምላኽካ ንፀላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ፤ በይዛኻ እንተየዳገምኩ ብሓንቲ ውርወራ ዂናት ምስ ምድሪ ኸጣብቖ ሕደገኒ” በሎ። ዳዊት ግና ንኣቢሳይ “እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ቐቲሉ በደል ዘይኮኖ የለን እሞ፥ ሕደግ ኣይትቕተሎ” በሎ። ዳዊት ድማ “ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ወይ እግዚኣብሄር ክቐትሎ እዩ፤ ወይ መዓልቱ በፂሓ ኽመውት እዩ፤ ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ኽጠፍእ እዩ። እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ኻብ ምቕታልስ እግዚኣብሄር ይሰውረኒ። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንዓናይ ንኺድ” በሎ። ዳዊት ከዓ ነቲ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰዶ። ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፥ ሓደ እኳ ዝረአየ፥ ወይ ዝፈለጠ፥ ወይ ዝነቕሐ ኣይነበረን። ዳዊት ድማ ናብ ማዕዶ ሓሊፉ፥ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ዀረብታ ደው በለ፤ ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ገፊሕ ቦታ ነበረ። ዳዊት ነቶም ሰራዊትን ንኣበኔር ወዲ ኔርን “ኣታ ኣበኔር፥ ኣይትምልስን ዲኻ?” ኢሉ ፀውዖ። ኣበኔር ድማ “ኣታ እትፅውዕ፥ ንንጉስ ከዓ ድቃስ እትኸልእ፥ ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሉ መለሰ። ዳዊት ከዓ ንኣበኔር “ንስኻ ሰብኣይዶ ኣይኮንካን? ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ክቐትሎ መፂኡ ነይሩ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓለኻዮ? እዝ ዝገበርካዮ ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንጐይታኹም ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ስለ ዘይሓለኹምዎ፥ ንስኻትኩም ሞት ከም ዝግብአኩም ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። እስኪ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ረአ” በሎ። ዳዊት ከዓ “እወ፥ ጐይታይ ንጉስ! ድምፀይ እዩ” በሎ። ኣስዒቡውን “እንታይ ገይረ እየ? ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፉእ ተረኺቡኒ እዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ኢኻ፥ ጐይታይ፥ ንሓሽከርካ እተሳጕጐኒ ዘለኻ? እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ። ሕዚ ኸዓ ሰብ ንቖቓሕ ኣብ እምባታት ከም ዝሃድን፥ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቑንጪ ኽትደሊ ወፂእኻ ኢኻ እሞ፥ ደመይ ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ኣይፍሰስ” በሎ። ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ። ዳዊት ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዂናት ንጉስ ኣብ ኢደይ እኒሆ፤ ካብቶም ኣጓብዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ። ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፤ ኣነ ግና ‘እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከም ፅድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ’ ኢለ ኣብ ልዕሊ እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢደይ ከልዕል ኣይፈተኹን። እንሆ ድማ ኸምቲ ሎሚ መዓልቲ ኣነ ዝራህራህኹልካ እግዚኣብሄር ይራህርሀለይ፤ ካብ ኵሉ መከራውን የድሕነኒ” በለ። ሽዑ ሳኦል ንዳዊት “ኣታ ወደይ ዳዊት፥ ቡሩኽ ኩን። ዓበይቲ ነገራት ክትገብር ኢኻ፤ ብርግፅውን ክሰልጠካ እዩ” በሎ። ድሕሪዙይ ዳዊት መንገዱ ኸደ፤ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ። ዳዊት ብልቡ “ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፤ ስለዙይ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ምህዳም ይሕሸኒ፤ ሽዑ ሳኦል ኣብ ኵሉ ምድሪ እስራኤል ንዓይ ምድላይ ክሓድግ እዩ፤ ኣነውን ካብ ኢዱ ኽድሕን እየ” ኢሉ ሓሰበ። ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን፥ ተሲኦም ናብ ቤት ንጉስ ናብ ወዲ ኣሜህ ናብ ኣንኩስ ተሳገሩ። ዳዊትን ሰቡን ሕድሕዶም መምስ ቤተ ሰቦም ኣብ ጌት ምስ ኣንኩስ ተቐመጡ። ዳዊትውን ምስ ክልቲአን ኣንስቱ፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባል ዝነበረትን ነበረ። ሳኦል ድማ፥ ዳዊት ናብ ጌት ከም ዝሃደመ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ኣይደለዮን። ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “ስለ ምንታይ ኣነ ሓሽከርካ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዝቕመጥ? ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኸተማታት ክቕመጥ ቦታ ሃበኒ” በሎ። ኣንኩስ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኸተማ ፂቅላግ ሃቦ። ስለዙይ ፂቅላግ ካብኡ ንደሓር ናይ ነገስታት ይሁዳ ኾነት። ዳዊት ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ተቐመጠ። ዳዊትን ሰባቱን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሱር እትወስድ ክሳዕ ምድሪ ግብፂ ዘላ ሃገር ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ከዓ ነታ ሃገር ወረራ፤ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ንዝኾነ ብህይወት ኣይሓደገን፤ ኣባጊዕን ከፍትን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ማረኸ፤ ተመሊሱውን ናብ ኣንኩስ መፀ። ኣንኩስ “ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም?” በሎ፤ ዳዊት ከዓ “ኣብ ደቡብ ይሁዳ፥ ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ደቡብ ቄናውያን” በለ። ዳዊት “ኵልሻዕ ልማዱ ኸምዙይ ነበረ” ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፥ ንሰብኣይ ኮነ ንሰበይቲ ይቐትሎም ነበረ እምበር ናብ ጌት ኣየምፅኦምን ነበረ። ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዝተቐመጠሉ ጊዜያት ከምዙይ ይገብር ነበረ። ኣንኩስ ንዳዊት “ብህዝቡ፥ ህዝቢ እስራኤል፥ የመና ተፀሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ኣገልጋሊየይ ክኾነኒ እዩ” ኢሉ ኣመኖ። በቲ ጊዜ እቱይ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣንኩስውን ንዳዊት “ንስኻን ሰብካን ምሳይ ተሰሊፍኩም ከም እትዋግኡ ብርግፅ ፍለጥ” በሎ። ዳዊት ድማ “ኣነ ሓሽከርካ ሕዚ ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ። ኣንኩስ ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኵልሻዕ ንባዕለይ ሓላዊየይ ክገብረካ እየ” በሎ። ፍልስጥኤማውያን ከቲቶም መፂኦም፥ ኣብ ሱንም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ኣብ ጊልቦዓ ኸዓ ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ምስ ረአየ ፈርሐ፤ ልቡውን የመና ተሸበረ። ንእግዚኣብሄር ድማ ጠየቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኮነ፥ ብኡሪም ኮነ፥ ብነቢያት፥ ኣይመለሰሉን። ሽዑ ሳኦል ንሹመኛታቱ “ናብኣ ኸይደ ኽጥይቕስ፥ መናፍስቲ እትፅውዕ ጠንቋሊት ሰበይቲ ድለዩለይ” በሎም። እቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ምስ ምዉታት እተራኽብ ጠንቋሊት ሰበይቲ እኒሃ፥ ኣብ ዔይንዶር ኣላ” በልዎ። ሳኦል ድማ መልክዑ ለዊጡ፥ ካልእ ክዳን ተኸዲኑ፥ ምስኡ ኽልተ ሰባት ተማሊኡ፥ ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መፀ። “በይዛኺ ምስ መናፍስቲ ተራኺብኪ ነቲ ኣነ ስሙ ዝፅውዐልኪ ሰብ ኣተስእለይ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ “ሳኦል ዝገበሮ፥ ነቶም ጠንቈልትን ነቶም መናፍስቲ ዝፅውዑን ካብዛ ምድሪ ኸም ዘጥፍኦም፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለ ምንታይከ ኽተቕትለኒ ኢልካ ንነፍሰይ መፃወድያ ትገብረለይ?” በለቶ። ሳኦል ድማ “በዝ ነገር እዙይ ዝኾነ ቕፅዓት ከም ዘይረኽበኪ ህያው እግዚኣብሄር እዩ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ። ሽዑ እታ ሰበይቲ “ንመንከ ኸተስአልካ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ንሳሙኤል ኣተስእለይ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረአየቶ፥ “ንስኻ ሳኦል እንተለኻ ደኣ ስለ ምንታይ ኢኻ ዘታለልካኒ?” ኢላ ዓው ኢላ ተዛረበት። እቲ ንጉስ ከዓ “ኣይትፍርሒ፤ ግዳ እንታይ ትርእዪ ኣለኺ?” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፥ “ኣማልኽቲ ኻብ ምድሪ እንትወፁ ሪአ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “መልክዑ ኸመይ ዝበለ እዩ?” በላ። ንሳ ድማ “ካባ ዝተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወፅእ ኣሎ” በለት። ሽዑ ሳኦል፥ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘተሳእኻኒ? ስለ ምንታይከ እትህውኸኒ?” በሎ። ሳኦል ከዓ “ንኣይ የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፤ እግዚኣብሄርውን ርሒቑኒ፥ ብነቢያት ኮነ ብሕልሚ ኣይመለሰለይን፤ ስለዙይ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ እየ ዝፀዋዕኹኻ” በሎ። ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ካብ ረሓቐካ፥ ፀላኢኻውን ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ? እግዚኣብሄርስ ከምቲ ብኣይ ዝተዛረቦ እዩ ዝገበረ፤ ነታ መንግስቲ ኸዓ ኻብ ኢድካ ኣሕዲጉ ንብፃይካ ንዳዊት ሂብዋ እዩ። ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዘይፈፀምካን ከምቲ መዓት ቍጥዓኡ ድማ ንሰብ ኣማሌቅ ስለ ዘየጥፋእኻዮምን እዩ፥ እግዚኣብሄር ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዘውረደልካ። እግዚኣብሄር ንእስራኤልን ንኣኻን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ። ፅባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኮኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ” በሎ። ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል የመና ፈሪሑ፥ ብምሉእ ቁመቱ ፃሕ ኢሉ ናብ ምድሪ ወደቐ። ምልእቲ መዓልትን ምልእቲ ለይትን ከዓ እንጀራ ኣይበልዐን ነበረ እሞ፥ ምንም ሓይሊ ኣይነበሮን። እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መፂኣ፥ የመና ኸም ዝደንገፀ ሪኣ “እንሆ፥ ኣነ ገረድካ ቓልካ ሰሚዐ፥ ንህይወተይ ኣብ ኢደይ ዓሚዀ ኸምቲ ዝበልካኒ ገበርኩ። ሕዚ ኸዓ በይዛኻ፥ ንስኻ ዘረባይ፥ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፤ መንገዲ ኽትከይድ እንተለኻ፥ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብስ፥ ቍራስ እንጀራ ኸቕርበልካ ብላዕ” በለቶ። ንሱ ግና “ኣይበልዕን” ኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ሹመኛታቱ፥ ምስታ ሰበይቲ ኾይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸዓ፥ ካብ ምድሪ ተሲኡ፥ ኣብ ዓራት ተቐመጠ። እታ ሰበይቲ ኸዓ ኣብ ገዛኣ ስቡሕ ጣዕዋ ነበራ፤ ተቐላጢፋ ድማ ሓረደቶ፤ ሕሩጭ ወሲዳ ኸዓ ለዊሳ ቕጫ ሰንከተት። ኣብ ቅድሚ ሳኦልን ኣብ ቅድሚ ሹመኛታቱን ቀረበትሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑ፤ ተሲኦም ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸዱ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ዅሉ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤላውያን ኣብ ኢይዝራኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ። እቶም ነገስታት ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኮይኖም ይጕዓዙ ነበሩ፤ ዳዊትን ሰባቱን ከዓ ደጀን ኮይኖም ደድሕሪ ኣንኩስ ይጕዓዙ ነበሩ። ኣንኩስ ድማ ንነገስታት ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ሓሽከር ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኮነን? ካብ ዓመት ዝበዝሕ ምሳይ ተቐሚጡ እዩ። ካብታ ናባይ ዝተፀግዐላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኣበር ኣይረኸብኩሉን” በሎም። እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ግና ዀረዩሉ፤ ከምዙይ እውን በልዎ፦ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ናብታ ኽቕመጣ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ምለሶ። ኣብ ውግእ ተፃራሪ ምእንቲ ኸይኾነናስ ናብ ውግእ ኣይውረድ። ንሱ ምስ ጐይታኡ ምእንቲ ኽዕረቕ፥ ርእሲ ሓሻኽርና ብምቝራፅ እንተ ዘይኮይኑ ንጐይታኡ ብምንታይ ከሐጕሶ ይኽእል? ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኮነን?” ሽዑ ኣንኩስ ንዳዊት ፀዊዑ “ንስኻ ቕኑዕ ከም ዝኾንካ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብታ ናባይ ዝመፃእኻላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኽፉእ ኣይረኸብኩልካን እሞ፥ ኣብዝ ሰራዊት እዙይን ምሳይ ምውፃእኻን ምእታውካን ሰናይ እዩ። ነዞም ኣሕሉቕ ግና ደስ ኣየበሎምን። እምበኣር ሕዝስ ነሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዘጕሂ ኸይትገብርስ፥ ተመለስ እሞ ብሰላም ኪድ” በሎ። ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “እንታይ እሞ ገይረ እየ? ኸይደ ምስ ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘየዋግእስ፥ ካብታ ኣብ ቅድሜኻ ዝኾንኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሓሽከርካ እንታይ ረኺብካለይ ኢኻ?” በሎ። ኣንኩስ ድማ ንዳዊት “እዞም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ‘ምሳና ኾይኑ ኣይዋጋእ’ ስለ ዝበሉ ደኣ እምበር ንስኻ ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣበር ዘይብልካ ኸም ዝኾንካ እፈልጥ እየ። ሕዚ ኸዓ፥ ፅባሕ ንስኻን እቶም ምሳኻ ዝመፁ ኣገልገልቲ ጐይታኻን ኣንጊህኹም ተስኡ እሞ፥ ምስ ወግሐ ተሲእኹም ኪዱ” በሎ። ዳዊትን ሰቡን ከዓ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክምለሱ፥ ኣንጊሆም ተስኡ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብ ኢይዝራኤል ደየቡ። ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ፂቅላግ መፁ። እንሆ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንፂቅላግን ድማ ሓደጋ ኣውዲቖምለን ነበሩ። ንፂቅላግ ከዓ ዘሚቶም ብሓዊ ኣቃፂሎምዋ ነበሩ። ነንስትን ኣብኣ ንዝፀንሑ ዅሎምን ካብ ኣናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፤ ግና ማሪኾም ደኣ መንገዶም ከዱ እምበር፥ ሓደ ዝቐተልዎ ሰብ እኳ ኣይነበረን። ዳዊትን ሰዓብቱን ናብ ፂቅላግ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ ብሓዊ ተቓፂላ፥ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ተማሪኾም ከይዶም ነበሩ። ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ሓይሊ ኽሳዕ ዝስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ። ክልቲአን ኣንስቲ ዳዊት፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን ከዓ ተማሪኸን ነበራ። ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን መሪርዎ ስለ ዝነበረ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ንዳዊት ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ እሞ፥ የመና ጨነቖ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ልቡ ኣፅንዐ። ዳዊት ንኻህን ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ “በይዛኻ ኤፉድ ኣምፅአለይ” በሎ። ኣብያታር ከዓ ነቲ ኤፉድ ናብ ዳዊት ኣምፅኦ። እግዚኣብሄር ድማ “ብርግፅ ክተርክቦም፥ ብርግፅውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፥ ሰዓቦም” በሎ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን ከዱ፤ ኣብ ሩባ በሶር ምስ በፅሑ ኸዓ ገሊኣቶም ሰባት ኣብኡ ተረፉ። እዚኣቶም ደኺሞም ንሩባ በሶር ምስጋር ስኢኖም ንድሕሪት ዝተረፉ ኽልተ ሚእቲ ሰባት እዮም። ዳዊትን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባትን ግና ሰጊሮም ሰዓቡ። ኣብ በረኻ ድማ ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ ረኺቦም ናብ ዳዊት ኣምፂኦም፥ እንጀራ ሃብዎ፤ ማይውን ኣስተይዎ። ቍራስ ጎጎ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሃብዎ። ንሱ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን ሰለስተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ እሞ፥ ምስ በልዐ ነፍሱ ናብ ባዕሉ ተመለሰት። ንሱ ኸዓ “ኣነ ግብፃዊ፥ ሓሽከር ሓደ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጐይታይ ሓዲጉኒ ኸይዱ። ንሕና ንደቡብ ከሬጣውያንን ንምድሪ ይሁዳን ንደቡብ ካሌብን ሓደጋ ኣውደቕናለን፤ ንፂቅላግ ኸዓ ብሓዊ ኣቃፀልናያ” በለ። ዳዊት ድማ “ናብቶም ሰራዊት ክትመርሐኒዶ ትኽእል ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ናብቶም ሰራዊት ክመርሐካስ፥ ከይትቐትለኒ፤ ናብ ኢድ ጐይታይውን ኣሕሊፍካ ኸይትህበኒ፤ ብኣምላኽ መሓለለይ” በሎ። ንሱ መሪሑ ምስ ወሰዶ ኸዓ እንሆ፥ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝዘመትዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ። ዳዊት ድማ ፅልግልግ ክብል እንተሎ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምሸት ወግኦም። ብዘይ እቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ኣግማል ተቐሚጦም ዝሃደሙ ኣጓብዝ፥ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን። ዳዊት ከዓ ነቲ ዅሉ ኣማሌቃውያን ዘሚቶምዎ ዝነበሩ ኣምለሰ፤ ንኽልቲአን ኣንስቱውን ኣምለሰን። ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ካብ ኣወዳት ኮነ ኻብ ኣዋልድ፥ ካብቲ ዅሉ ተዘሚቱ ዝነበረ፥ ሓደኳ እንተየትረፈ ዳዊት ኣምለሶ። ዳዊት ድማ ንዅለን ኣባጊዕን ከፍትን ዘመተን፥ ኣገልገልቱ ኸዓ ንኣኣተን ቀቅድሚ ዳዊት እናኾብኰቡ “እዚኣተን ምርኮ ዳዊት እየን” ይብሉ ነበሩ። ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ምስዓብ ዝሰኣኑ እሞ ኣብ ሩባ በሶር ዘትረፎም ክልተ ሚእቲ ሰባት መፀ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ክቕበልዎም ወፁ። ዳዊት ድማ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡ “ደሓን” ምህላዎም ጠየቐ። ሽዑ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ፥ እቶም ክፉኣትን፥ መዕገርገርትን ዝኾኑ ሰባት፥ “እዚኣቶም ምሳና ስለ ዘይከዱ፥ ካብዝ ዘምለስናዮ ምርኮ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፎም ኣንስቶምን ደቆምን ጥራሕ ሒዞም ይኺዱ” በልዎ። ዳዊት ግና “ኣሕዋተይ፥ እግዚኣብሄር ሓልዩናን፥ ነቲ መፂኡና ዝነበረ ዘማቲ ጭፍራ ድማ ኣብ ኢድና ሂቡናን እዩ እሞ፥ በቲ ንሱ ዝሃበናስ ከምዙይ ኣይትግበሩ። በዝ ነገር እዙይ ደኣ መን ክሰምዐኩም እዩ? ግደ እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉን፥ ግደ እቶም ኣቑሑ ዝሓለዉን ሓደ እዩ እሞ፥ ኵሎም ማዕረ እዮም ዝማቐሉ” በሎም። ዳዊት ድማ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዙይ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ። ዳዊት ናብ ፂቅላግ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ “ካብ ምርኮ እቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር እንሆ ገፀ በረኸት” ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም። ነቶም ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት፥ ኣብ የቲር፥ ኣብ ዓሮዔር፥ ኣብ ሲፍሞት፥ ኣብ ኤሽትሞዓ፥ ኣብ ራካል፥ ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ከተማታት ቄናውያን፥ ኣብ ሔርማ፥ ኣብ ቦርዓሻን፥ ኣብ ዓታኽ፥ ኣብ ኬብሮን ዝነበሩን፥ ነቶም ኣብተን ዳዊትን ሰቡን ዝነበሩለን ኵለን ቦታታት፥ ገፀ በረኸት ሰደደሎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፤ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወደቑ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም። ንደቁ ዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳንን ቀተልዎም። እቲ ውግእ ከዓ ንሳኦል በርትዖ፤ ፍላፃ ዝውርውሩ ሰባት ኣርኪቦም ስለ ዝወግእዎ ድማ እምብዛ ተጨነቐ። ሳኦል ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝፀውር፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ወጊኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ብእኡ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ግና እምብዛ ፈሪሑ ነበረ እሞ ኣበዮ። ሽዑ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ። እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ኸዓ ሳኦል ምሟቱ ምስ ረአየ፥ ንሱ ድማ ናብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከምን ኵሎም ሰባቱን ብሓደ ሞቱ። እቶም ኣብ ማዕዶ እቲ ለሰን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ ሰራዊት እስራኤል ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ከዓ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን። ንፅባሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መፁ፤ ንሳኦልን ንሰለስቲኦም ደቁን ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም። ርእሱ ቘሪፆም ከዓ ኣፅዋሩ ገፈፍዎ። ኣብ ቤት ጣዖታቶምን ኣብቲ ህዝብን ከበስሩ ድማ ናብ ዙሪያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ። ነቲ ኣፅዋሩ ኸዓ ኣብ ቤት ጣዖት ኣስታሮት ኣንበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቅፅሪ ቤትሳን ሰቐልዎ። እቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ሰምዑ። ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ድማ ተሲኦም ምሉእ ለይቲ ግስግስ ሓዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቅፅሪ ቤትሳን ወሰድዎ። ናብ ኢያቢስ መፂኦም ከዓ ኣብኡ ኣቃፀልዎ። ነቲ ኣዕፅምቶም ወሲዶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ኢያቢስ ዘላ ኦም ቀበርዎ። ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ ፆሙ። ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመለሰ። ኣብ ፂቅላግ ከዓ ኽልተ መዓልቲ ገበረ። ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፥ እንሆ፥ ካብቲ ሳኦል ምስ ሓሻኽሩ ሰፊርዎ ዝነበረ ቦታ፥ ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ብሓዘን ቀዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ ናብ ዳዊት መፀ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡውን ሰገደ። ዳዊት ከዓ “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “ኻብ ሰፈር እስራኤል ሃዲመ ዘምለጥኩ እየ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እቲ ሰራዊት ካብቲ ውግእ ሃዲሙ፥ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ተወጊኦም ሞይቶም፤ ሳኦልን ዮናታን ወዱንውን ሞይቶም” በሎ። ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ “ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ኢልካ ፈሊጥካ?” በሎ። እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከዓ “ብኣጋጣሚ ናብ እምባ ጊልቦዓ መፃእኹ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኲናቱ ተመርኲሱ ደው ኢሉ ነበረ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከዓ ኣርከብዎ። ንድሕሪኡ ግልፅ ኢሉ ሪኡኒ ኸዓ ፀውዐኒ። ኣነ ድማ ‘እኒሀኹ’ በልኩ። “ንሱ ኸዓ ‘መን ኢኻ ንስኻ?’ በለኒ። ኣነ ድማ ‘ኣማሌቃዊ እየ’ በልክዎ። “ንሱ ኸዓ፥ ‘ትንፋሰይ እኳ እንተ ዘይወፀት ኣብ ኣፍ ሞት እየ ዘለኹ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ ቕተለኒ’ በለኒ። “ኣነ ኸዓ፥ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፥ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልፅሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፤ እንሆ ኸዓ ናባኻ ናብ ጐይታይ ኣምፃእኽዎ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ብሓዘን ክዳውንቱ ቐደደ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ። ኣብ ውግእ ስለ ዝሞቱ፥ ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን ሓዘኑሎምን በኸዩሎምን፤ ክሳዕ ምሸትውን ፆሙ። ዳዊት ድማ ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፥ “ኣታ፥ ካበይ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ወዲ ሓደ ስደተኛ ኣማሌቃዊ እየ” ኢሉ መለሰ። ዳዊት ድማ “ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኽትቀትል፥ ኢድካ እንትትዝርግሕ ከመይ ዘይፈራሕኻ?” በሎ። ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ኣጓብዙ ፀዊዑ፥ ናብኡ ቕረብሞ ውደቖ በሎ፤ ንሱውን ወቕዖሞ ሞተ። “ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኣነ ቐቲለዮ’ ኢልካ ባዕልኻ ስለ ዝመስከርካ፥ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” ድማ በሎ። ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዝ መልቀስ እዙይ ኣልቀሰሎም። ደቂ ይሁዳ ኸዓ ነዝ መልቀስ እዙይ ከፅንዕዎ ኣዘዘ። እዙይ ኣብ መፅሓፍ ያሻር ተፅሒፉ ኣሎ። እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ወደቑ! ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎናውን ኣይወረ። እኽሊ ዘፍርዩ ገራሁ ኣይሃልዉኹም። ሰይፊ ሳኦልውን ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ጥራዩ ተመሊሱ ኣይፈልጥን። ካብ ንስሪ ዝቕልጥፉ፥ ካብ ኣንበሳ ዝሕይሉ ነበሩ። ክዳውንትኽንውን ብወርቂ ዘቦ ንዝሸለመ ንሳኦል ብኸያሉ። ዮናታን ኣብ እምባታት ሞተ። ፍቕርኻ ንኣይ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ዝበልፅ ነበረ። ኣፅዋር ውግእኸ ኸመይ ከንቱ ኾኑ!” ድሕሪዙይ ዳዊት “ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓዲአንዶ ኽድይብ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ “ናበየነይቲ ኽድይብ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ ኬብሮን” በሎ። ሽዑ ዳዊትን ክልቲአን ኣንስቱ፥ ምስ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን፥ ኮይኖም ናብ ኬብሮን ደየቡ። ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ ኣደየቦም፤ ኣብ ኬብሮንን ከተማታታን ከዓ ተቐመጡ። ሽዑ “ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ እዮም” ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ልኡኻት ሰዲዱ “ንጐይታኹም ሳኦል ብምቕባርኩም ሰናይ ጌርኩምሉ ኢኹም እሞ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም። ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ርህራሀን ሓቅን ይግበረልኩም። ኣነ ድማ እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርኩም ሰናይ ክገብረልኩም እየ። ሕዚ እውን ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩሞ፥ ኢድኩም ትፅናዕ ንስኻትኩምውን ሓያላት ኩኑ፤ ንኣይ ከዓ ንጉሶም ክኸውን ቤት ይሁዳ ቐቢኦሙኒ ኣለዉ” በሎም። ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ወሲዱ፥ ናብ ማሓናይም ኣሳገሮ። ኣብ ልዕሊ ገለዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ኢይዝራኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ። ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ክልተ ዓመት ከዓ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ግና ደድሕሪ ዳዊት ሰዓበት። ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ። ኣበኔር ወዲ ኔርን ኣገልገልቲ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን ድማ ኻብ ማሓናይም ናብ ገባዖን ወፁ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ሹመኛታት ዳዊትን ከዓ ወፂኦም ኣብ ቃላይ ገባዖን ተራኸብዎም። እዚኣቶም ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ፥ እቲኣቶም ድማ ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ። ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ፥ “እዞም መናእሰይ ይተስኡ እሞ፥ ኣብ ቅድሜና ይዋግኡ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ይዋግኡ” በሎ። ሽዑ ኻብ ብንያምን ካብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን ዓሰርተ ኽልተ፥ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ተቘፀሩ እሞ ተስኡ። ነፍሲ ወከፍ ርእሲ መጋጥምቱ ኣፅኒዑ ሒዙ ሰይፊ ኣብ ጐድኒ መጋጥምቱ ሸኸለ፤ ተተሓሒዞም ከዓ ብሓደ ወደቑ። ስለዙይ እታ ቦታ ግራት ስሕለታም ሰይፊ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ የመና በርትዐ፤ ኣበኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከዓ ብኣገልገልቲ ዳዊት ተስዓሩ። ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ፅሩያ ኢዮኣብን ኣቢሳን ኣሳሄልን ነበሩ። ኣሳሄል ከዓ ኸምታ ኣብ በረኻ ዘላ ሰስሓ ጐያዪ ነበረ። ኣሳሄል ንየማን ወይ ንፀጋም እንተየግለሰ ንኣበኔር ከርክቦ ብጕያ ሰዓቦ። ሽዑ ኣበኔር ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ “ንስኻ ኣሳሄል ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ። ኣበኔር ድማ “ንየማንካ ወይ ንፀጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፥ ንሓደ ኻብዞም መናእሰይ ሒዝካ ኣፅዋሩ ግፈፎ” በሎ። ኣሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ከየግልስ እምቢ በለ። ኣበኔር ድማ መሊሱ ንኣሳሄል “ኣግልስ! ምስ ምድሪ ከየጣብቐካስ ኣይትስዓበኒ። ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገፅ ሓውካ ኢዮኣብ ክርኢ እየ?” በሎ። ኣሳሄል ግና ካብኡ ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣበኔር ብዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፥ እቲ ዂናት ብድሕሪቱ ወፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ወዲቑ ሞተ። ናብታ ኣሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመፀ ዅሉ ድማ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ። ኢዮኣብን ኣቢሳን ግና ንኣበኔር ኣሳጐጕዎ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ምድረ በዳ ገባዖን፥ ኣብ መንፅር ጋይ ዘላ ዀረብታ ኣማ ምስ በፅሑ ኸዓ ፀሓይ ዓረበት። ደቂ ብንያም ድማ ኣብቲ ኣበኔር ዘለዎ ቦታ ተኣኪቦም ሓደ ጭፍራ ኾይኖም፥ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዀረብታ ቖሙ። ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ ፀዊዑ “ኣታ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእዶ ኣሎ እዩ? ንሓዋሩ መሪር ፅልኢ ኸም ዝሓድገልናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ህዝብኻ ንኣና ነሕዋቶም ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘሳጕጉና? ኽምለሱኸ ኣይትእዝዞምን ዲኻ?” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ብህያው ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ፤ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብስ እዞም ህዝቢ፥ ንኣኻትኩም ነሕዋቶም ካብ ምስጓጕ ቕድሚ ፅባሕ ንግሆ ኣይምተመለሱን ነይሮም” በሎ። ሽዑ ኢዮኣብ መለኸት ነፍሐ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ። ድሕሪዙይ ንእስራኤል ኣየሳጐጉዎምን፥ እቲ ውግእ ድማ ደው በለ። ኣበኔርን እቶም ሰባቱን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብምልእታ ብጐልጐል ዮርዳኖስ ክይድ ሓዲሮም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፤ ንዅላ ቢትሮን ሓሊፎም ድማ ናብ መሓናይም ኣተዉ። ኢዮኣብ ከዓ ንኣበኔር ካብ ምስጓጕ ተመለሰ፤ ንዅሉ ህዝቢ ምስ ኣከቦ ድማ፥ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት ዓሰርተ ትሽዓተ ሰብኡትን ኣሳሄልን ጐደሉ። እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ግና ኻብ ብንያምን ካብ ናይ ኣበኔር ሰባትን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ቀተሉ። ንኣሳሄል ድማ ወሲዶም ኣብቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ኢዮኣብን እቶም ሰቡን ድማ ምሉእ ለይቲ ኽይድ ሓዲሮም፥ ክወግሕ እንተሎ ኣብ ኬብሮን በፅሑ። እቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ዝነበረ ውግእ ነዊሕ ነበረ። ቤት ዳዊት እናበርትዐ ኸደ፤ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመ ከደ። በዅሩ ኻብ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወለደ ኣምኖን፤ ካልኣዩ ኻብ ኣቢግያ፥ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረት፥ ዝተወለደ ዶሎሕያ፤ ሳልሳይ ካብ መዓካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወለደ ኣቤሴሎም፤ ራብዓይ ካብ ሓጊት ዝተወለደ ኣዶንያስ፤ ሓምሻይ ካብ ኣቢጣል ዝተወለደ ሰፋጥያስ፤ ሻድሻይ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት ዝተወለደ ይትረሃም፤ እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ እዮም። በቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ውግእ ዝነበረሉ ጊዜ፥ ኣበኔር ኣብ ቤት ሳኦል እናሓየለ ኸደ። ሳኦል ሪፅጳ ዝስማ ጓል ኣያ፥ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢያቡስቴ ድማ ንኣበኔር “ስለ ምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝኣተኻ?” በሎ። ሽዑ ኣበኔር ብዘረባ ኢያቡስቴ የመና ተቘጢዑ “ኣነስ ንቤት ሳኦል ጠሊመ፥ ኣገልጋሊ ቤት ይሁዳ ዝኸውንዶ ይመስለካ? ካብ ቅድም ሒዘ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን እሙን ኮይነ ኣገልገልኩ፤ ንኣኻውን ናብ ኢድ ዳዊት ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን። ንስኻ ግና ሎሚ ናብዛ ሰበይቲ እዚኣ ብምእታወይ ከም በደል ትቘፅረለይ ኣለኻ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሓለሉ፥ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሓልፍ፥ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ከም ዝቐውም እንተ ዘይገይረ፥ ኣምላኽ ንኣይ ንኣበኔር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በለ። ሽዑ ኢያቡስቴ ንኣበኔር ስለ ዝፈርሖ፥ ሓንቲ እኳ ኽዛረቦ ኣይደፈረን። ሽዑ ኣበኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ሰዲዱ “እዛ ሃገር ናይ መን ድያ? ኪዳን እተወለይ እሞ፥ ብምልእታ እስራኤል ናባኻ ኽትምለስ ክሕግዘካ እየ” በሎ። ዳዊት ድማ “ፅቡቕ፤ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እኣቱ። እንተ ኾነ ኻባኻ ዝደልያ ሓንቲ ነገር ኣላ። ንሳ ኸዓ ናባይ ክትመፅእ እንተለኻ ንሜልኮል ጓል ሳኦል ተማሊእኻያ እንተ ዘይመፂእኻ ገፀይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ። ዳዊት ድማ ናብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ “እታ ብሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን ዝተመርዓኽዋ ሰበይተይ ሜልኮል ምለሰለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደ። ኢያቡስቴ ከዓ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ ጳልጢኤል ወዲ ሌሳ ወሰዳ። ሰብኣያውን ምሳኣ ኸደ፤ ክሳዕ ባሑሪምውን እናበኸየ ሰዓባ። ሽዑ ኣበኔር “ኪድ ተመለስ” በሎ። ንሱውን ተመለሰ። ኣበኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤል “ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ክኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም። እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት ‘ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ፀላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ ሕዚ ግበርዎ” ኢሉ ተዛረቦም። ንነገድ ብንያምውን ተዛረቦም። እቲ ንዅሉ እስራኤልን ንዅላ ቤት ብንያምን ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮም፥ ንዳዊት ክነግሮ ናብ ኬብሮን ከደ። ኣበኔር ዕስራ ሰብ ምስኡ ተማሊኡ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መፀ። ዳዊት ድማ ንኣበኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ምሳሕ ገበረሎም። ኣበኔር ከዓ ንዳዊት “ንዅሎም ደቂ እስራኤል ናባኻ ናብ ጐይታይ ክእክቦም እሞ ምሳኻ ኺዳን ክኣትዉስ ተሲአ ክኸይድ፥ ሽዑ ኸምቲ ዝደለኻዮ ጌርካ ትነግስ” በሎ። ዳዊት ድማ ንኣበኔር ሰደዶ። ንሱ ድማ ብሰላም ከደ። እንሆ ኸዓ ሹመኛታት ዳዊትን ኢዮኣብን ካብ ወራር መፁ፤ ምስኣቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ ኣእተዉ። ኣበኔር ግና ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ከይዱ ነበረ እምበር፥ ኣብ ኬብሮን ኣይነበረን። ኢዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኣበኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መፂኡ ኸም ዝነበረን፥ ንጉስ ድማ ኣፋንይዎ ብሰላም ከም ዝኸደን፥ ንኢዮኣብ ነገርዎ። ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ንጉስ ኣትዩ “እዝ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? እንሆ ኣበኔር መፂኡካ እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ክኸይድ ዝሰደድካዮ? ኣበኔር ወዲ ኔር ከታልለካ፥ መውፅኢኻን መእተዊኻን ክፈልጥ፥ ኵሉ እትገብሮውን ከስተብህል ከም ዝመፀዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በሎ። ኢዮኣብ ሽዑ ኻብ ዳዊት ወፂኡ፥ ደድሕሪ ኣበኔር ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ ኻብ ዒላ ሲራ መለስዎ፤ ዳዊት ግና ነዙይ ኣይፈለጠን ነበረ። ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ። ድሕሪዙይ ከዓ ዳዊት ሰምዐ እሞ “ኣነን መንግስተይን ካብ ደም ኣበኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንፁሃት ኢና። እዙይ ኣብ ልዕሊ ኢዮኣብን ኣብ ልዕሊ ዅላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፤ ኣብ ቤት ኢዮኣብ ድማ ዝመግል ቍስሊ ዘለዎ፥ ለምፃም፥ ብምርኩስ ዝኸይድ ሓንካስ፥ ብሰይፊ ዝቕተል ወይ ዝበልዖ ዝሰኣነ ጥሙይ ኣይሰኣን” በለ። (ኣበኔር ንሓዎም ኣሳሄል ኣብ ገባዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፥ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ከዓ ንኣበኔር ቀተልዎ።) ዳዊት ድማ ንኢዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን “ክዳውንትኹም ቅደዱ፤ ወጮ ተኸደኑ፤ ንኣበኔር ከዓ ብኸዩሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ። ንኣበኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፤ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣበኔር ድምፁ ዓው ኣቢሉ በኸየ፤ ኵሎም ህዝቢ እውን በኸዩ። “ኣበኔር እውንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት? ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን በኸዩሉ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዳዊት ገና ቐትሪ እንተሎ “እንጀራ ብላዕ” ኽብልዎ መፁ። ዳዊት ግና፥ “ፀሓይ እንተይዓረበት እንጀራ ኾነ ወይ ካልእ እንተ ጠዓምኩ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግብረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ መሓለ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ምስ ፈለጡ ተሓጐሱ፤ በቲ ዅሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንጉስ ዝገበሮውን ሕጉሳት ነበሩ። ሞት ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ካብ ንጉስ ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እቲ ህዝብን ኵሉ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ። ንጉስ ድማ ነቶም ሹመኛታት “ሎሚ መዓልቲ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝሞተዶ ኣይፈለጥኩምን ኢኹም? ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም። ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል፥ ኣበኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፥ ኢዱ ደኸመት፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ደንገፁ። ንኢያቡስቴ ክልተ ሰባት፥ ኣሕሉቕ ጭፍራ ነበርዎ፤ ስም እቲ ሓደ በዓና፥ ስም እቲ ኻልኣይ ከዓ ሬካብ ነበረ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበሩ። ብኤሮት ምስ ብንያም እያ እትቝፀር። እቶም ቀዳሞት ብኤሮታውያን ግና ናብ ጌቴም ሃዲሞም ከዱ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብኡ ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። ዮናታን ወዲ ሳኦል ከዓ ኽልቲኡ እግሩ ዝሰለለ ወዲ ነበሮ። ሳኦልን ዮናታንን ከም ዝሞቱ ኻብ ኢይዝራኤል ወረ ኽመፅእ እንተሎ ንሱ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ሓዚላቶ ሃደመት። ቀልጢፋ ኽትሃድም እንተላ፥ ወደቐ እሞ እግሩ ተሰበረ። ስሙ ኸዓ ሜምፊቦስቴ ነበረ። ሬካብን በዓናን ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፥ መዓልቲ ምስ ቀተረ፥ ኢያቡስቴ ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ እንተሎ፥ ናብ ገዛኡ ኣተዉ። እታ ሓላዊት ሰበይቲ ኣብ ኣፍ ደገ ተቐሚጣ ስርናይ እናንተርተረት እንተላ ተታኸሰት። ሽዑ ሬካብን በዓናን ሰላሕ ኢሎም ናብ ምድቃስ ኢያቡስቴ ኣተዉ። ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ንሱ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ እንተሎ፥ ወጊኦም ቀተልዎ፤ ርእሱውን ቈረፁ። ርእሱ ሒዞም ድማ ምሉእ ለይቲ ብስንጭሮ ዓረባ ኣቢሎም ከዱ። ርእሲ ኢያቡስቴ ከዓ ናብ ኬብሮን ኣምፂኦም ንዳዊት ሃብዎ። ንንጉስ ከዓ “ርእሲ ኢያቡስቴ፥ ወዲ ሳኦል እቲ ንህይወትካ ዝደልያ ዝነበረ ሳኦል ፀላኢኻ፥ እኒሀልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንኣኻ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈድዩልካ እዩ” በልዎ። ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንበዓና ሓዉን፥ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፥ “በቲ ንነፍሰይ ካብ ኵሉ መከራ ዘድሓና ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ነቲ ፅቡቕ ወረ ዘምፅአለይ መሲልዎ ‘እንሆ ሳኦል ሞይቱ’ ኢሉ ዝነገረኒ፥ ሒዘ ኣብ ፂቅላግ ቀተልክዎ። ናይቲ ብስራት ዘምፅአለይ ዝመሰሎ ኸዓ ኸምዙይ ገይረ ኸፈልክዎ። ዝገደደ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ክፉኣት ሰባት ነቲ ቕኑዕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓራቱን ቀተልኩምዎ፤ ሕዚ እውን ደሙ ኻብ ኣእዳውኩም ክደልዮ እየ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍአኩም እየ” ኢሉ መለሰሎም። ዳዊት ድማ “ቅተልዎም” ኢሉ ንሓሻኽሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ ንሬካብን ንበዓናን ቀተልዎም፤ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቘራረፅዎም፤ ኣብ ጥቓ ቓላይ ኬብሮን ከዓ ሰቐልዎም። ንርእሲ ኢያቡስቴ ግና ኣብ መቓብር ኣበኔር፥ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ። ድሕሪዙይ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ናብ ኬብሮን መፂኦም፥ ንዳዊት “እኒሀና፥ ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና፤ ካብ ቀደም፥ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ እንተሎውን፥ ንእስራኤል ናብ ውግእ እትመርሕ ንስኻ ኢኻ ኔርኻ። እግዚኣብሄርውን ንኣኻ እዩ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ንስኻ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ ነይሩ እዩ” በልዎ። ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ንጉስ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ። ዳዊት ክነግስ እንተሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፤ ኣርብዓ ዓመት ከዓ ነገሰ። ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። እቲ ንጉስን ሰቡን ድማ ኣብቲ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝቕመጡ ኢያቡሳውያን ክዋግኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ። ንሳቶም “ዳዊት ናብዙይ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ “ዕውራትን ሓንካሳትን እንተ ዘየውፂእኻ ናብዙይ ኣይትኣቱን ኢኻ” በልዎ። ዳዊት ግና ነታ ደሓር ከተማ ዳዊት ዝተብሃለት እምባ ፅዮን ሓዛ። ዳዊት በታ መዓልቲ እቲኣ “ንኢያቡሳውያን ክስዕሮም ዝደሊ በቲ መተሓላለፊ ማይ ኣቢሉ ይደይብ እሞ፥ ነቶም ኣነ ዝፀልኦም ሓንካሳትን ዕዉራትን የውፅእ” በለ። ስለዙይ ብምስላ “ዕዉርን ሓንካስን ናብ ቤተ መንግስቲ ኣይእተዉ” ተብሃለ። ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ከተማ ዳዊት ኢሉውን ሰየማ። ዳዊት ኻብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ። ዳዊት ከዓ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ። ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻት ሰደደሉ። ምስኣቶም ድማ ኦም ፅሕድን ፀረብትን ሃነፅትን፥ ወቐርቲ እምንን ሰደደሉ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊት ቤት ሃነፁሉ። ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖ፥ ነታ መንግስቱውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዓለ። ዳዊት ኻብ ኬብሮን ምስ መፀ፥ ብተወሳኺ ኣንስቲ ወሰኑን ካልኦት ኣንስቱን ካብ ኢየሩሳሌም ወሰደ። ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ተወለዱሉ። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ድማ፦ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥ ኤሊሳማ፥ ኢሊዳሄ፥ ኤሊፋላት እዮም። ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ከም ዝቐብእዎ ፍልስጥኤማውያን ምስ ሰምዑ፥ ኵሎም ክደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዕርዱ ወረደ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ። ዳዊት ድማ “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ንፍልስጥኤማውያን ብርግፅ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ ናብ በኣልፐራሲም መፀ፤ ኣብኣ ኸዓ ወቕዖም እሞ፥ “ማይ ከም ዘፍርስ፥ እግዚኣብሄር ንፀላእተይ ኣብ ቅድመይ ኣፍረሶም” በለ። ስለዙይ ነታ ቦታ እቲኣ በኣልፐራሲም ዝብል ስም ኣውፅአላ። ጣዖታቶምውን ኣብኡ ሓደጉ፤ ዳዊትን ሰቡን ድማ ወሰድዎም። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ደዪቦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ። ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ጠየቐ ድማ፥ ንሱ “ኣይትዋግኣዮም፤ ዘይርካ ብድሕሪኦም ኪዶም፤ ብመንፅር እቲ ሳጋሉ ድኣ ተጋጠሞም እምበር ኣይትደይብ። ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ድምፂ ሰይፊ ምስ ሰማዕኻ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ቅድሜኻ ወፂኡ ማለት እዩ እሞ፥ ቀልጢፍካ ተዋግኣዮም” በሎ። ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓሮም። ዳዊት መሊሱ ነቶም ኵሎም ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰብኡት ኣከቦም። ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን፥ ነቲ ብስም እቲ “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ጐይታ ሰራዊት” ዝፅዋዕ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ኻብ ዘላ ኻብ በኣል ተልዒሎም ከምፅእዎ ኸዱ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኰረብታ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዖዛን ኣሕዮን፥ ደቂ ኣሚናዳብ፥ ይመርሕዎ ነበሩ። ካብታ ኣብ ኰረብታ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ኣውፅእዎ፥ ኣሕዮ ቐቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ። ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዅሉ ዓይነት ቃናታት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጭላትን ብፀናፅልን ብምሉእ ሓይሎም እናዘመሩ ይፃወቱ ነበሩ። ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ በፅሑ ግና፥ እቶም ነቲ ሰረገላ ዝስሕቡ ኣብዑር ይፋንኑ ስለ ዝነበሩ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ። ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዖዛ ነደደ፤ ስለ ድፍረቱ ድማ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ኣብኡውን ኣብ ጥቓ ታቦት እግዚኣብሄር ሞተ። ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዖዛ ስለ ዝቐሰፎ፥ የመና ሓዘነ፤ ነታ ቦታ እቲኣ ኸዓ፥ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝበሃል ዘሎ፥ “ስብራት ዖዛ” ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑ፥ “ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ክመፅእ” በለ። ስለዙይ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማኡ ኸእትዎ ስለ ዘይፈተወ፥ ናብ ቤት እቲ ጌታዊ ኣቢዳራ ኣእተዎ። እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ቤት እቲ ጌታዊ ሰብ ኣብ ኣቢዳራ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣቢዳራን ንዅላ ቤቱን ባረኸ። እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኪዳን ኢሉ ንቤት ኣቢዳራን ንዘለዎ ዅሉን ከም ዝባረኸሉ ሰሚዖም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ቤት ኣቢዳራ ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኦ። እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሽዱሽተ ስጕምቲ ምስ ሰጐሙ፥ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ዝራብዕን ሰውአ። ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ድማ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ። ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ብዕልልታን ብቓና መለኸትን ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ። እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ፥ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዘልልን ክስዕስዕን እንተሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምፂኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእኸል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ። ዳዊት ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፥ ነቲ ህዝቢ ብስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ባረኾ። ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ጉማድ ስጋን ሓደ ጎጎ ዘቢብን ሃቦም። ድሕሪዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ህዝቢ ነናብ ገዛኡ ተመለሰ። ዳዊትውን ንቤተሰቡ ኽባርኽ ተመለሰ። ሜልኮል ጓል ሳኦል ከዓ ንዳዊት ክትቅበሎ ወፂኣ፦ “ከንቱ ዝኾነ ሰብ ከም ዝቕላዕ፥ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ቘናጁ ባሮቱ፥ ዕርቃኑ ብምግላፁ ኸመይ ከበረ!” በለቶ። ዳዊት ከዓ ንሜልኮል “ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣቦኽን ካብ ኵላ ቤቱን ዝሓረየኒ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መራሒ ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን፤ እወ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝሰሓቕ ዘለኹ። ገናውን ካብዙይ ንላዕሊ ንርእሰይ ከዋርድ እየ፤ ብዓይንኺ የመና እንተ ተንዓቕኩ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክኸብር እየ” በላ። ሜልኮል ጓል ሳኦል ኽሳዕ ዕለተ ሞታ ኣይወለደትን። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ ኣዕረፎ። እቲ ንጉስ ንነቢይ ናታን፥ “እስኪ ረአ! ኣነ ብፅሕዲ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እነብር ኣለኹ፤ ታቦት እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳን ኣብ ውሽጢ መጋረጃታት ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ። ናታን ከዓ ንንጉስ፥ “እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኪድ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ግበር” በሎ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ንናታን ከምዙይ በሎ፦ “ኪድ፤ ንባርያይ ዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ’ በሎ። ‘ንስኻ ኣነ ዝነብረላ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ። ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ድንኳንን ኣብ መሕደሪን እየ ዝነበርኩ እምበር ኣብ ቤት ኣይነበርኩን። ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ዝተጕዓዝኩሉ፥ ንህዝበይ እስራኤል ክጓስዩ ኻብ ዝኣዘዝክዎም መራሕቲ እስራኤል ንሓደኳ ስለ ምንታይ ብኦም ፅሕዲ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለዶ ተዛሪበ እየ?’ “ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ካብ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ። ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ኸዓ ምሳኻ ነበርኩ፤ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኹዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ንስምካ ዓብዪ ኽገብሮ እየ። “ኣነ ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ። መዓልቲታትካ ምስ ኣኸላ፥ ምስ ኣቦታትካ ኸዓ ምስ ተቐበርካ፥ ብድሕሬኻ ነቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ነታ መንግስቱውን ከፅንዓ እየ። ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ። ኣነ ኣቦ ክኾኖ፥ ንሱ ድማ ወሉድ ክኾነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸዓ ኸምቲ ሰብ ዝቐፅዐሉ ጨንገርን ደቂ ሰብ ብዝቐፅዑሉን ክግስፆ እየ። ግና ኸምቲ ንሳኦል ካብ ቅድሜኻ ኸወግዶ እንተለኹ ፍቕረይ ዘርሓቕኩሉ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ። ገዛኻን መንግስትኻን ከዓ ኣብ ቅድመይ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ፤ ዙፋንካውን ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።” ናታን እዝ ዅሉ ዘረባ እዙይን እዝ ዅሉ ራእይን ንዳዊት ነገሮ። “ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ዘብፃሕኻንስ፥ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ? ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር እዙይ ድማ ንእሽተይ ኮይኑ ተርእዩካስ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተይ፥ ኣብ ቤት ባርያኻ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ትዛረብ ኣለኻ። ኦ እግዚኣብሄር! እዙይስ ሕጊ ሰብ ድዩ? “ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር ንኣይ ንባርያኻ ትፈልጠኒ ኢኻ፤ ደጊምከ ዳዊት እንታይ ኢሉ ኽዛረበካ እዩ? ምእንቲ እቲ ቓልካን ከምቲ ፍቓድካን እዝ ዓብዪ ነገርዙይ ገበርካ፤ ንኣይ ንባርያኻ ኸዓ ኣፍለጥካኒ። “ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ኸማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ንስኻውን ኣምላኽ የለንሞ፥ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ። ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ህዝቢ ምእንቲ ክኾነካ፥ ባዕልኻ ዘድሓንካዮ እዩ። ምእንቲ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝቢ ኢልካ፥ ነህዛብ ምስ ኣማልኽቶም ብዓቢይን ብዘደንግፅ ተኣምራትን ካብ ቅድሚኡ ሰጒጕካ ስምካ ዘፀዋዕኻ፥ ኣብ ምድሪ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ህዝቢ መን ኣሎ? ንህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ህዝብኻ ክኸውን ሓረኻዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኮንካ። “ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ነቲ ብዛዕባይ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤተይን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ኣፅንዓዮ፤ ከምቲ እተዛረብካዮውን ግበር፤ ስምካ ድማ ንዘለኣለም ልዕል ይበል። ሰባት፥ ‘ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል እዩ’ ይበሉ። ቤት ባርያኻ ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ትፅናዕ። “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል! ንኣይ ንባርያኻ፥ ‘ኣነ ቤት ክሰርሐልካ እየ’ ኢልካ ገሊፅካለይ ኢኻ፤ ስለዙይ ኣነ ባርያኻ እዝ ፀሎት እዙይ ናባኻ ኸቕርብ ብልበይ ደፈርኩ። ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ እግዚኣብሄር ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፤ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፤ እዝ ፅቡቕ ነገር እዙይውን ንኣይ ንባርያኻ ኣተስፈኻኒ። ሕዚ ድማ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ክትባርኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽነብር ክትባርኾ ፍቓድካ ይኹን።” ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ወቕዖም፤ ኣዋረዶምውን፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ድማ ሜቴግ ኣማ ንዝተብሃለት ከተማ ኻብ ኢዶም ኣሕዲጉ ሓዛ። ንሞኣብውን ወቕዓ፤ ነቶም ሞዓባውያን ድማ ኣብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ በብኽልተ ገመድ ለኪዑ ቐተሎም፤ በብሓደ ገመድ ለኪዑ ኸዓ ብህይወት ሓደጎም። ሞኣባውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾኑ፤ ግብሪውን ኣምፅኡሉ። ዳዊት ነቲ ኣብ ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝኣቱ ኸምልስ ኢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ንሃዳድዔዘር ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባ ሰዓሮ። ዳዊት ድማ ኻብኡ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ፈረሰኛን፥ ዕስራ ሽሕ ከዓ ኣጋራትን ማረኸ። ዳዊት ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፥ ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ቛንጃኦም ቈረፀ። እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከዓ ንኣድርኣዛር ንጉስ ሶባ ኽሕግዙ ኢሎም ምስ መፁ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ዳዊትውን ኣብ ምድሪ ሶርያ ደማስቆ ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዅሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ። ዳዊት ናይቶም ሹመኛታት ኣድርኣዛር ዝነበረ ናይ ወርቂ ዋልታኦም ወሰደ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሒዙዎም መፀ። ከምኡውን ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፥ ከተማታት ኣድርኣዛር፥ የመና ብዙሕ ነሃስ ወሰደ። ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ፥ ዳዊት ንዅሉ ሰራዊት ኣድርኣዛር ከም ዝሰዓሮ ምስ ሰምዐ፥ ኣድርኣዛር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፥ ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን፥ ክምርቖን ንሃዳድዔዘር ድማ ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ “እንኳዕ ኣሐጐሰካ” ኽብሎን፥ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ኣትሒዙ ንኢዮራም ወዱ ለኣኾ። ነዙይውን ንጉስ ዳዊት፥ ከምቲ ኻብቶም ዝሰዓሮም ኵሎም ኣህዛብ፦ ካብ ሶርያውያንን ሞኣባውያንን፥ ካብ ደቂ ኣሞንን ፍልስጥኤማውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ካብ ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባን፥ ካብ ምርኮ ኣድርኣዛርን፥ ዝወሰዶ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሶ። ዳዊት ንኤዶማውያን ስዒሩ ምስ ተመለሰ፤ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ምስ ቀተለ፥ ስሙ ገነነ። ኣብ ኵላ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ግዙኣት ዳዊት ኮኑ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ። ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ፤ ሳዶቅ ወዲ ኣኪጦብን፥ ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሰራያ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ፤ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ድማ ሓለቓ እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ፤ ደቂ ዳዊት ከዓ መማኽርቲ ንጉስ ነበሩ። ዳዊት ድማ “ምእንቲ ዮናታን ኢለ ሰናይ ዝገብረሉ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብ ደኾን ይህሉ?” በለ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታይ፥ ኣነ እየ” በለ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ኣእጋሩ ዝተጐድአ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ” በሎ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “እንሆ ንሱ ኣብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል ኣብ ሎዶባር ኣሎ” በሎ። ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ሎዶባር ልኢኹ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል ኣምፅኦ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ። ዳዊት ድማ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ሰናይ ክገብረልካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ፤ ገራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንሓዋሩ ኣብ ማእደይ ክትበልዕ ኢኻ” በሎ። ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ ገፅካ ኽትመልስስ፥ ኣነ ሓሽከርካ መን እየ?” በለ። ሽዑ ንጉስ ዳዊት ንሲባ ኣገልጋሊ ሳኦል ፀዊዑ “ናይ ሳኦልን ናይ ኵላ ቤቱን ዝኾነ ዅሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣለኹ። ንስኻን ደቅኻን ኣገልገልትኻን ድማ፥ ቤት ወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዝብላዕ ክረክብስ፥ እቲ መሬት ሓሪስኩም ንእኡ ኣእትዉሉ። ሜምፊቦስቴ ወዲ ጐይታኻ ግና ዅልሻዕ ኣብ ማእደይ ክበልዕ እዩ” በሎ። ሲባ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ኣገልገልትን ነበርዎ። ሲባ ድማ ንንጉስ “ጐይታይ! ከምቲ ንስኻ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በሎ። ሜምፊቦስቴ ግና ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ ማእዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ። ሜምፊቦስቴ፥ ሚካ ዝስሙ ንእሽተይ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ሲባ ዝነብሩ ዅሎም ድማ ኣገልገልቲ ሜምፊቦስቴ ኾኑ። ሜምፊቦስቴ ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እናበልዐ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፤ ንሱ ኽልቲአን ኣእጋሩ ልሙሳት ነበራ። ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ። እቶም ልኡኻት ዳዊት ከዓ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ኣተዉ። እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ንጐይታኦም ሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካዶ ይመስለካ ኣሎ? ዳዊትስ ነዛ ኸተማ ኽዕዘባን ክስልያን ከጥፍኣንዶ ኣይኮነን ሓሻኽሩ ሰዲዱልካ ዘሎ?” በልዎ። ሽዑ ሓኖን ንኣገልገልቲ ዳዊት ወሲዱ፥ ፍርቂ ጭሕሞም ላፅዩ፥ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጠቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም። እዙይ ንዳዊት ነገርዎ፤ እቶም ሰባት እምብዛ ሓፊሮም ስለ ዝነበሩ፥ ክራኸብዎም ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከዓ “እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ፤ ምስ በቘለ ኸዓ ትምለሱ” ኢሉ ለኣኸሎም። ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ፈለጡ፥ ንደቂ ኣሞን ልኢኾም ካብቶም ኣብ ቤት ሬሖብን ኣብ ሶባን ዝነብሩ ሶርያውያን ዕስራ ሽሕ ኣጋር፥ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ ሰባት፥ ካብ ሰብ ጦብ ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ዕሱባት ብገንዘብ ቈፀሩ። ዳዊት እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢዮኣብ ነቶም ጀጋኑ ዝኾኑ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ። ደቂ ኣሞን ከዓ ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ሶርያውያን ናይ ሶባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ። ሽዑ ኢዮኣብ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ንውግእ ከም ዝተሰለፉ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ካብ ኵሎም ጀጋኑ እስራኤል ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም። ነቶም ዝተረፉ ሰራዊት ከዓ ኣብ ኢድ ኣቢሳ ሓዉ ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኣሞን ክዋግኡ ኣሰለፎም። ንኣቢሳ ድማ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፥ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ ኣነ ኽረድአካ እየ። ኣይዞኻ ፅናዕ፤ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ፀኒዕና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ፍቓዱ ይግበር” በሎ። ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ድማ ንሶርያውያን ክዋግእዎም ቀረቡ። ንሳቶም ከዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ። እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ምስ ደቂ ኣሞን ምውጋእ ሓዲጉ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። ሶርያውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ብሓደ ተኣከቡ። ኣድርኣዛር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ሰገር ኤፍራጥስ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣምፅኦም፤ ናብ ኤላምውን መፁ፤ ሶባክ ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ነበረ። መሪሕዎምውን ናብ ሔላም መፁ። እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ንዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፥ ናብ ኤላም ከደ፤ ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ተሰሊፎም ምስኡ ተዋግኡ። እቶም ሶርያውያን ድማ ኻብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ። ዳዊት ከዓ ኻብ ሶርያውያን ሸውዓተ ሚእቲ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛታትን ቀተለ፤ ንሾባኽ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ቐተሎ። ሶርያውያን ከዓ ድሕሪዙይ ፈሪሖም ንደቂ ኣሞን ኣይረድእዎምን። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ንዓመታኡ ኸዓ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ዳዊት ንኢዮኣብ ምስቶም ሹመኛታቱን ምስ ዅሉ እስራኤልን ሰደዶ። ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፊኦም ድማ ንረባት ኸበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣጋ ምሸት፥ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተሲኡ ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቱ ይመላለስ ነበረ። ኣብ ሰገነቱ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕፀብ እንተላ ረአያ፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ትርኢታ የመና ፅቡቕ ነበረ። ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ጠየቐ፤ እቲ ልኡኽ ከዓ “እዚኣስ ቤርሳቤህ ጓል ኤልያብ፥ ሰበይቲ እቲ ኬጢያዊ ኦርዮዶ ኣይኮነትን?” በሎ። ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ኣምፅኣ፤ ናብኡውን ኣተወት፤ ካብ ፅጌኣ ዝነፅሀትሉ ጊዜ ነበረ እሞ፥ ምስ ተራኸባ ናብ ቤታ ተመለሰት፤ ጠነሰትውን። ናብ ዳዊት ድማ “ጠኒሰ እየ” ኢላ ለኣኸትሉ። ሽዑ ዳዊት “ንኦርዮ ኬጢያዊ ስደደለይ” ኢሉ ንኢዮኣብ ለኣኸሉ። ኢዮኣብ ከዓ ንኦርዮ ናብ ዳዊት ሰደዶ። ኦርዮ ናብኡ ምስ መፀ ድማ ዳዊት፥ ሃለዋት ኢዮኣብን እቶም ሰራዊት ከመይ ከም ዘለዉን ኵነታት እቲ ውግእን ጠየቖ። ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “እምበኣር ናብ ገዛኻ ውረድ፤ እግርኻውን ተሓፀብ” በሎ። ኦርዮ ድማ ኻብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ንጉስ ከዓ ደድሕሪኡ ዝተመረፀ ምግቢ ኣስዓበሉ። ኦርዮ ግና ምስ ኵሎም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ደቀሰ እምበር ናብ ቤቱ ኣይወረደን። ንዳዊት “ኦርዮ ናብ ቤቱ ኣይወረደን” ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፥ ዳዊት ንኦርዮ “ንስኻ ኻብ በረኻ መፂእኻ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ናብ ገዛኻ ዘይኸድካ?” በሎ። ኦርዮ ኸዓ ንዳዊት “ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ኣብ ውግእ ኣለዉ፥ ታቦት ኪዳን ከዓ ምስኣቶም ኣሎ፥ ጐይታይ ኢዮኣብን ሓሻኽር ጐይታይን ድማ ኣብ ዓውዲ ውግእ እናሃለዉ፥ ሕዚዶ ኣነ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክሓድርን ኢለ ናብ ገዛይ ክኣቱ ኾይነ? ነዝ ነገር እዙይ ከም ዘይገብሮ ብህይወትካ እምሕል ኣለኹ” በሎ። ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “ሎሚውን እምበኣር ኣብዙይ ፅናሕሞ፥ ፅባሕ ኽሰደካ እየ” በሎ። ኦርዮ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣን ብፅባሒታን ኣብ ኢየሩሳሌም ፀንሐ። ዳዊት ንኦርዮ ፀውዖሞ፥ ኣብ ቅድሚኡ በልዐን ሰተየን፤ ክሳዕ ዝሰክርውን ኣስተዮ። ምስ መሰየ ግና ምስቶም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ መንፀፉ ደቀሰ፤ ናብ ገዛኡ ኣይወረደን። ንፅባሒቱ ንግሆ ድማ ዳዊት ንኢዮኣብ መልእኽቲ ፅሒፉ፥ ብኢድ ኦርዮ ሰደደሉ። ኣብታ መልእኽቲ ኸዓ “ንኦርዮ ናብቲ ብርቱዕ ውግእ፥ ኣብ ቀዳማይ ሰልፊ ኣእትውዎ፥ ተወጊኡ ምእንቲ ኽመውት ከዓ ሓዲግኩምዎ ህደሙ” ኢሉ ፀሓፈ። ኢዮኣብ ድማ ነታ ኸተማ ምስ ከበባ፥ ንኦርዮ ናብታ ብርቱዓት ተዋጋእቲ ፀላኢ ኣለዉዋ ኣብ ዝበላ ቦታ ኣሰለፎ። ሰብ እታ ኸተማ ኸዓ ወፂኦም ንኢዮኣብ ተዋግእዎ። ካብ ሰራዊት ዳዊት ድማ ውሑዳት ወደቑ፤ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊውን ኣብኡ ሞተ። ሽዑ ኢዮኣብ ብዛዕባ ኵሉ ዅነታት እቲ ውግእ ንዳዊት ለኣኸሉ። ነቲ ልኡኽ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኵሉ ዅነታት እቲ ውግእ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእኻ፥ ንጉስ ኰርዩ ‘ስለ ምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም? ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ቀስቲ ኸም ዝውርውሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እቲ ኣብ ቴቤፅ ዝሞተ ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበሼት መን ድዩ ዝቐተሎ? ሰበይቲዶ ኣይኮነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ? ስለ ምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም?’ እንተበለካ፥ ሽዑ ንስኻ፦ ‘ኣገልጋሊኻ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ኸዓ ሞይቱ’ በሎ።” እቲ ልኡኽ ድማ ኸይዱ ዅሉ እቲ ኢዮኣብ ዝለኣኾ ንዳዊት ነገሮ። እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት “እቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ ሜዳ ወፁ፤ ንሕና ኸዓ ኽሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም። እቶም ወርወርቲ ድማ ንኣገልገልትኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ቀስቲ ወርወሩሎም፤ ካብቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ንጉስ ከዓ ሞቱ፤ ኣገልጋሊኻ ኦርዮ፥ እቲ ኬጢያዊ፥ ድማ ሞይቱ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽ “ንኢዮኣብ ‘ኲናት ሓንሳእ ነዙይ፥ ሓንሳእ ከዓ ነቱይ እዩ ዘጥፍእ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣየጨንቕካ፤ ነታ ኸተማ ኣፅኒዕኻ ተዋግኣያ፤ ኣፍርሳውን’ ኢልካ ኣተባብዓዮ” በሎ። ሰበይቲ ኦርዮ ኸዓ፥ ኦርዮ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፥ ንሰብኣያ በኸየትሉ። መዋእል ሓዘና ምስ ሓለፈ ድማ፥ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸዓ ኾነት፤ ወዲውን ወለደትሉ። ግና እዝ ዅሉ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮነ። እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ናታን ከዓ ናብ ዳዊት ኣትዩ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኡት ነበሩ። እቲ ሓደ ሃብታም ነበረ፤ እቲ ሓደ ድማ ድኻ ነበረ። እቲ ሃብታም እምብዛ ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ነበራኦ። እቲ ድኻ ግና ብዘይ እታ ዝዓደጋ ሓንቲ ንእሽተይ በጊዕ፥ ካልእ ኣይነበሮን። ንሱ ኣዕበያ፤ ኣብ ገዛኡውን ምስ ደቁ ብሓደ ዓበየት፤ ካብ ቍራሱ ትበልዕ፤ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፤ ኣብ ሕቝፉውን ትድቅስ ነበረት። ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት። “ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ጋሻ መፆ። ነቲ ጋሻ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣላሕሙን ወሲዱ ምግቢ ኸየዳልወሉ ነፈገ። ግና ነታ ናይቲ ድኻ በጊዕ ወሲዱ ነቲ ዝመፆ ጋሻ ሓሪዱ ኣዳለወሉ” በሎ። ሽዑ ዳዊት የመና ተቘጥዐ፤ ንናታን ከዓ “ብህያው እግዚኣብሄር! እቲ እዙይ ዝገበረ ሰብ ወዲ ሞት እዩ። እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበረን፥ ርህራሀውን ስለ ዘይነበሮን፥ ክንዲ እታ ዝወሰዳ በጊዕ ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሓስ” በሎ። ሽዑ ናታን ንዳዊት “እቲ ሰብኣይ እቱይ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኣነ ቐባእኹኻ፤ ካብ ኢድ ሳኦልውን ኣድሓንኩኻ። መንግስቲ ሳኦል ሃብኩኻ፤ ኣንስቱውን ኣብ ሕቝፍኻ ኣንበርኩልካ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ከዓ ኣንገስኩኻ፤ እዙይ ውሒዱ እንተ ዝኸውን ድማ ኸምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ። ስለ ምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ዝኾነ ኽትገብር ቃለይ ዝነዓቕካ? ነቲ ኬጢያዊ ኦርዮ ብሰይፊ ቐቲልካስ፥ ንሰበይቱ ንኣኻ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሲድካያ። ንእኡ ኸዓ ብሰይፊ ደቂ ኣሞን ቀተልካዮ። እምበኣር ስለ ዝነዓቕካኒ፥ ንሰበይቲ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፥ ካብ ገዛኻ ሰይፊ ኣይርሕቕን እዩ።’ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገዛኻ ክፉእ ከተስአልካ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ነንስትኻ ወሲደ ንብፃይካ ኽህበን እየ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እዛ ፀሓይ እዚኣ ምስተን ኣንስትኻ ኽድቅስ እዩ። ንስኻ ብስዉር ጌርካዮ ኢኻ እሞ፥ ኣነ ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ፀሓይን ክገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ንናታን “ንእግዚኣብሄር በዲለ እየ” በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፦ “እግዚኣብሄር ከዓ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። ግና በዝ ነገር እዙይ ነቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር ግሁድ መላገፂ ስለ ዝሃብካዮም እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ኽመውት እዩ” በሎ። ናታን ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ፥ ነቲ ሰበይቲ ኦርዮ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ፥ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ከቢድ ሕማምውን ሓሚሙ ነበረ። ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ፤ ዳዊትውን ፆመ፤ ኣትዩ ድማ ኣብ መሬት ደቀሰ። እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸዓ፥ ተልዒሎም ካብ መሬት ከተስእዎ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው በሉ። ንሱ ግና ኣበየ፤ ምስኣቶምውን እንጀራ ኣይበልዐን። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እቲ ህፃን ሞተ፤ እቶም ሹመኛታት ዳዊት ከዓ “እንሆ፥ እቲ ህፃን ብህይወቱ እንተሎ ተዛሪብናዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዐስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ‘እቲ ህፃን ሞይቱ’ ኽንብሎ ኢና? ኣብ ባዕሉ ጕድኣት እንተብፅሐኸ?” በሉ። ስለዙይ እቲ ህፃን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሑ። ንሳቶም ድማ “እወ፥ ሞይቱ”። በልዎ። ሽዑ ዳዊት ካብ መሬት ተሲኡ፥ ተሓፂቡን ተቐቢኡን፥ ክዳውንቱ ለወጠ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ ኸዓ ሰገደ። ናብ ቤቱ መፂኡውን ዝብላዕ ኣዘዘ፤ ምስ ኣቕረቡሉ ድማ በልዐ። ሽዑ እቶም ሓሻኽሩ “እዝ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? እቲ ህፃን ብህይወቱ እንተሎ ምእንታኡ ፆምካን በኸኻን፤ እቲ ህፃን ምስ ሞተ ግና ተሲእካ እንጀራ በሊዕኻ” በልዎ። ንሱ ኸዓ “መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሓረኒሞ፥ እቲ ህፃን ድማ እንተ ሓወየ፥ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፥ እቲ ህፃን ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ፆምኩን በኸኹን። ሕዚ ግና ሞይቱ እዩ፤ ንምንታይ ኢለ ደኣ ኽፀውም? ደጊምዶ ኽመልሶ ይከኣለኒ እዩ? ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፥ ንሱስ ናባይ ኣይምለስን እዩ” በሎም። ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ቤርሳቤህ ኣፀናንዓ፤ ናብኣውን ኣተወ፤ ምስኣ ድማ ደቀሰ፤ ወዲ ኸዓ ወለደት፤ ስሙውን ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮ፤ እግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ። ብነቢይ ናታን ልኢኹ ምእንቲ እግዚኣብሄር፥ ይዲድያ ኢሉ ሰመዮ። ኢዮኣብ ከዓ ኣብ ራሞት ምስ ደቂ ኣሞን ተዋጊኡ ነታ ርእሲ ኸተማ ንጉስ ሓዛ። ኢዮኣብ ድማ ናብ ዳዊት ልኡኽ ሰዲዱ፥ “ንረባት ተዋጊአያ፤ ንማይ እታ ኸተማውን ሒዘዮ። ሕዚ ኸዓ፥ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ ብስመይ ከይትፅዋዕስ፥ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣኽቲትካ ኽበባሞ ሓዛ” ኢሉ ልኡካት ለአኸ። ዳዊት ከዓ ንዅሉ ህዝቢ ኣኽቲቱ ናብ ረባት ኸደ እሞ፥ ተዋጊኡ ሓዛ። ንዘውዲ ንጉሶም ከዓ ኻብ ርእሱ ወሰዶ፤ ሚዛኑ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ወርቂ ነበረ፤ ክቡር ኣዕናቝውን ነበሮ፤ ዳዊት ድማ ኣብ ርእሱ ገበሮ። ካብታ ኸተማ ኸዓ የመና ብዙሕ ምርኮ ኣውፅአ። ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ እውን ኣውፂኡ ብመጋዝን ብመዅዓቲ ሓፂንን ብምሳርን ከም ዝሰርሑ ገበሮም፤ ጡብ ክሰርሑ ኸዓ ኣገደዶም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ኸምኡ ገበረን። ድሕሪዙይ ዳዊትን ኵሉ እቲ ህዝብን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፥ ትእማር ዝስማ መልክዐኛ ሓፍቲ ነበረቶ። ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከዓ ኣፍቀራ። ትእማር ድንግል ስለ ዝነበረት፥ ኣምኖን ሓደ ነገር ንምግባር ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ጭንቂ ኾይንዎ ነበረ። ብፍቕሪ ሓፍቱ ትእማር የመና ስለ ዝተከዘ ሓመመ። ንኣምኖን ድማ፥ ወዲ ሓዉ ንዳዊት ወዲ ሳምዓ፥ ኢዮናዳብ ዝስሙ ፈታዊ ነበሮ። ኢዮናዳብ የመና ጐራሕ ሰብ ነበረ። ኣምኖን ከዓ “ኣነስ ፍቕሪ ትእማር ሓፍቲ ሓወይ ኣቤሴሎም ሒዙኒ ኣሎ” በሎ። ኢዮናዳብ ድማ “ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፤ ኣቦኻ ኽሪአካ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ ‘በይዛኻ ሓፍተይ ትእማር እንጀራ ኽትህበኒ ትምፃእ፤ ነቲ ብልዒ ድማ ምእንቲ ኽሪኦስ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፤ ባዕላ ኸዓ ተብልዐኒ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ። ኣምኖን ድማ “ሓሚመ” ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ክሪኦ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣምኖን ንንጉስ “በይዛኻ፥ ትእማር ሓፍተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕጫ ኽትገብረለይ፥ ብኢዳ ድማ ኸተብልዐንስ ስደደለይ” በሎ። ሽዑ ድማ ዳዊት “በይዛኺ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኺዲ እሞ ዝብላዕ ግበርሉ” ኢሉ ናብ ገዛ ትእማር መልእኽተኛታት ለአኸ። ትእማር ከዓ ናብ እንዳ ኣምኖን ሓዋ ኸደት፤ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸዓ ብሑቝ ወሲዳ ለዊሳ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕጫታት ሰንከተት። ምስ በሰለ ኸዓ፥ ካብቲ መቝሎ ኣውፂኣ ቐረበትሉ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ “ንዅሉ ሰብ ካብዙይ ኣውፅኡለይ” በለ። ኵሉ ሰብ ከዓ ኻብኡ ወፀ። ኣምኖን ድማ ንትእማር “ብኢድኪ ኽበልዕስ ነቲ ብልዒ ናብ ሕልፍኚ ኣእትዊዮ” በላ። ትእማር ከዓ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፥ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ። ክበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ሒዙ “ሓፍተይ፥ ንዒ ምሳይ ደቅሲ” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣይፋልካን ሓወይ፥ ኣይተነውረኒ፤ ከምዙይ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፥ ነዝ ነውሪ እዙይስ ኣይትግበሮ። ኣነኸ እንታይ ክኸውን እየ? ነዝ ነውረይ ተሰኪመኸ ናበይ ክኸይድ እየ? ንስኻኸ ኸም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ነውራማትዶ ኽትከውን ኢኻ? ሕዚ ኸዓ በይዛኻ፥ ንንጉስ ንገሮ ንኣይ ክትምርዐወኒ ኣይኸልአካን እዩ” በለቶ። ንሱ ግና ዘረባኣ ኽሰምዕ ኣይደለየን፤ ካብኣ ዝሕይል ስለ ዝነበረ ዓመፃ፥ ምስኣ ድማ ደቀሰ። ድሕሪዙይ ኣምኖን የመና ፀልኣ፤ እኳ ደኣ ኻብቲ ዘፍቀራ ንላዕሊ የመና ፀልኣ። “ተስኢ፤ ኪዲ” ድማ በላ። ንሱ ግና ኽሰምዓ ኣይደለየን። ነቲ ዘገልግሎ ሓሽከሩ ፀዊዑ ድማ “በይዛኻ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ኻብ ቅድመይ ንደገ ኣውፅአለይ፤ ነቲ ማዕፆ ኸዓ ዕፀዎ” በሎ። ሽዑ እቲ ኣገልጋሊ ንደገ ኣውፅኣ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ብድሕሪኣ ዓፀዎ። ትእማር ከዓ ኸምቲ ኣዋልድ ንጉስ ደናግል እንተለዋ ዝኽደናኦ ዝነበራ ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቀምሽ ተኸዲና ነበረት። ትእማር ድማ ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፤ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቐሚሽ ከዓ ቐደደቶ፤ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ ድማ እናእወየት ከደት። ኣቤሴሎም ሓዋ ኸዓ “ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ? ሓፍተይ፥ ሕዚ ስቕ በሊ፤ ንሱ ሓውኪ እዩ፤ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልብኺ ኣይትዕቘርዮ” በላ። ትእማር ድማ ብጕህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ንበይና ተቐመጠት። ንጉስ ዳዊት ግና፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ የመና ተቘጥዐ፤ ግና በኵሪ ወዱ ነበረሞ ስለ ዝፈትዎ ንነፍሲ ኣምኖን ወዱ ኣየሕዘነን። ኣቤሴሎም ከዓ ኣምኖን ንትእማር ሓፍቱ ስለ ዘነወራ፥ ፀሊእዎ ነበረ እሞ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይተዛረቦን። ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ኣቤሴሎም ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በቤላሶር ፀጕሪ ኣባጊዑ የቝርፅ ነበረ። ንዅሎም ደቂ ንጉስ ከዓ ናብኡ ዓደሞም። ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መፂኡ “እንሆ ፀጕሪ ኣባጊዕ ኣቝርፅ ኣለኹ እሞ፥ ንጉስን ሓሻኽሩን ምሳይ ምስ ሓሽከርካ ይኺዱ” በሎ። ንጉስ ከዓ ንኣቤሴሎም “ኣይፋልካን ወደይ፤ ከይንኸብደካስ ኵላትናስ ኣይንመፅእን ኢና” በሎ። ኣቤሴሎም ከዓ ግዲ በሎ። ንጉስ ግና መረቖ ደኣ እምበር፥ ክኸይድ ኣይፈተወን። ንጉስ ድማ፥ “ስለ ምንታይ እዩ ምሳኻ ዝኸይድ?” በሎ። ኣቤሴሎም ግና ኣፅኒዑ ለመኖ፤ ሽዑ ንኣምኖንን ንዅሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ክኸዱ ፈቐደ። ኣቤሴሎም ንደቂ ንጉስ ዝግባእ ምሳሕ ኣዳለወ። ንሓሻኽሩ ድማ “ኣስተውዒልኩም ስምዑኒ፤ ኣምኖን ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ ረአዩ፤ ንኣምኖን ቅተልዎ ምስ በልኩኹም ቅተልዎ። ንስኻትኩም ከዓ ኣነ ባዕለይ እእዝዘኩም ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ሓያላት ድማ ኹኑ” በሎም። ሓሻኽር ኣቤሴሎም ድማ ኸምቲ ኣቤሴሎም ዝኣዘዞም ንኣምኖን ቀተልዎ። ሽዑ ዅሎም እቶም ደቂ ንጉስ ተሲኦም፥ ነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሃደሙ። ገና ኣብ መንገዲ እንተለዉ፥ ንዳዊት “ኣቤሴሎም ሓደ እኳ እንተየትረፈ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲልዎም” ዝብል ወረ ኣምፅኡሉ። ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኵሎም ኣገልገልቱውን ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ። ኢዮናዳብ፥ ወዲ ሳምዓ ሓው ዳዊት ግና፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ጐይታይ፥ ኵሎም እቶም ኣጕባዝ ደቂ ንጉስ ሞይቶም እዮም ኢልካ ኣይትሕሰብ፥ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ዝሞተ። እዙይ ከዓ ኻብታ ኣምኖን ንሓፍቱ ትእማር ዘነወረላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣቤሴሎም ዝሃቀኖ ነገር እዩ። እምበኣርከስ፥ ሕዚ፥ ጐይታይ ንጉስ፥ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ሞይቱ እምበር ‘ኵሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም እዮም’ ኢልካ ነዝ ነገር እዙይ ኣይትእመን፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ” በሎ። ኣቤሴሎም ግና ሃደመ። እቲ ዝሕሉ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቘላሕ እንተ ኣበለ፥ እንሆ፥ በታ ብድሕሪኡ ብወገን ኰረብታ ዘላ መንገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝቢ ኽመፅእ ረአየ። እቲ ሓላዊ ኸዓ ናብ ንጉስ ከይዱ “እንሆ ብፀግዒ እቲ ዀረብታ፥ በታ ናብ ሖርናይም እተእቱ መንገዲ ሰባት ይመፁ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ኢዮናዳብ ከዓ ንንጉስ “ከምቲ ኣገልጋሊኻ ዝበልኩኻ ኾይኑ፤ ደቂ ንጉስስ እኒሀዉ ይመፁ ኣለዉ” በሎ። ዘረባኡ ምስ ወድአ፥ እንሆ እቶም ደቂ ንጉስ ኣተዉ፤ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከዓ በኸዩ። ንጉስን ኵሎም ሓሻኽሩንውን የመና ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ። ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ፥ ናብ ታልማይ ወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከዓ ንወዱ ኣምኖን ኵልሻዕ ይበኽየሉ ነበረ። ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፤ ኣብኣውን ሰለስተ ዓመት ተቐመጠ። ንጉስ ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ ዝተፀናንዐ፥ ናብ ኣቤሴሎም ክኸይድ ናፈቐ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ከም ዝዘምበለ ፈለጠ። ኢዮኣብ ድማ ናብ ቴቁሔ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ “በይዛኺ ኸም ዝሓዘንኪ ኹኒ፤ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፤ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፤ ብዝሞተ ሰብ ነዊሕ ዘመን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲውን ኩኒ። ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸዓ ኸምዙይ ኢልኪ ተዛረብዮ” በላ፤ ኢዮኣብውን ነቲ ቓሉ ኣብ ኣፋ ገበረ። እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ድማ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ። “ኦ ንጉስ! ርድአኒ” ድማ በለቶ። ንሳ ድማ “ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት እየ። ኣነ ገረድካ ኸዓ ኽልተ ኣወዳት ነበሩኒ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ዘገላግሎም ኣብ ዘይብሉ በረኻ ተባኢሶም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ። እንሆ ኸዓ፥ ንኣይ ንገረድካ ዅሎም ዓሌቱ ተሲኦም ‘ነዝ ቐታሊ ሓዉ፥ ክንዲ እቲ ዝቐተሎ ሓዉ፥ ክንቀትሎ፥ ነቲ ወራሲ ኸዓ ኽነጥፍኦ ሃብና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ከምኡ እንድሕር ገይሮም ነቲ ወራሲ ኽቐትልዎ እዮም፤ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ ተስፋ ድማ ኸጥፍእዎ እዮም። ንሰብኣየይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስም ኮነ ሓድጊ ኣየሓድጉሉን እዮም” በለቶ። ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ “ንገዛኺ ኺዲ፤ ኣነ ድማ ብዛዕባ ነገርኪ ኽእዝዝ እየ” በላ። እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ኸዓ ንንጉስ፥ “ጐይታይ ንጉስ! እቲ በደል ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፤ ንጉስ ምስ ዙፋኑ ግና ንፁህ ይኹን” በለቶ። ንጉስ ድማ “ነቲ ዝዛረበኪ ናባይ ኣምፅእዮ፤ መሊሱ ኸዓ ኣይነኽአክን እዩ” በላ። ንሱ ድማ “ካብ ወድኺ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በላ። ሽዑ እታ ሰበይቲ “በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ክዛረበካ” በለቶ። ንጉስ ከዓ “ተዛረቢ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ኸምዙይ በለት፦ “ስለ ምንታይከ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ከምዙይ ሓሰብካሉ? ንጉስ ነቲ ኻብኡ ዝተሰጐ ዘይመለሶስ፥ እዝ ነገር እዙይ ብምዝራቡ ንጉስ ከም በዳሊ እዩ። ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና እሞ፥ ግድን ክንመውት ኢና። ኣምላኽ ድማ ጥፍኣት ነፍሲ ኣይፈቱን እዩ። ግናኸ እቲ ዝተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣፀቢቑ ይሓስብ እዩ። “ሕዚ ኸዓ እቲ ህዝቢ ስለ ዘፍርሐኒ፥ ነዝ ነገር እዙይ ንጐይታይ ንጉስ ክዛረቦ ኢለ መፃእኹ። ኣነ ገረድካ ‘ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ፤ ንጉስ ድማ ንዘረባ ገረዱ ምናልባሽ ይፍፅሞ ይኸውን። ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ከጥፍአና ዝደሊ ዘሎ ሰብኣይ፥ ንጉስ የድሕነና እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ተዛረብ ደኣ” በለት። እቲ ንጉስ ድማ “ኣብዝ ዅሉ እትብልዮ ዘለኽስ ኢድ ኢዮኣብዶ ኣለዎ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ፤ ካብቲ ዅሉ ንስኻ እትዛረቦ ሓደ እኳ ንየማን ኮነ ንፀጋም ዘብል የለን። እወ፥ ኣገልጋሊኻ ኢዮኣብ እዩ ዝነገረኒ። እዝ ዅሉ ዝበልኩኻውን ንሱ ዝኣዘዘኒ እዩ። ኣገልጋሊኻ ኢዮኣብ እቲ ነገር ምእንቲ ኽቃናዕ እዙይ ገበረ። ጐይታይ ከዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝግበር ኵሉ ንምፍላጥ ከም ጥበብ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጥበበኛ ኢኻ” ኢላ መለሰትሉ። ድሕሪዙይ ንጉስ ንኢዮኣብ “እንሆ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ኽገብር እየ እሞ ኺድ፤ ነቲ መንእሰይ ኣቤሴሎም ምለሶ” በሎ። ኢዮኣብ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፤ ንንጉስ ከዓ መረቖ። “ጐይታይ ንጉስ፥ ዘረባይ ዘረባ ሓሽከርካ ብምትግባርካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ሎሚ ፈለጥኩ” በለ። ኢዮኣብ ከዓ ናብ ጌሹር ከደ፤ ንኣቤሴሎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦ። ንጉስ ከዓ “ናብ ቤቱ ይኺድ፤ ገፀይ ግና ኣይርአ” በለ። ስለዙይ ኣቤሴሎም ናብ ቤቱ ኸደ፤ ገፅ ንጉስ ድማ ኣይረአየን። ኣብ ኵላ እስራኤል ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብቑመናኡ የመና ዝተንኣደ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብ ፅፍሪ እግሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሱ ዝወዳደሮ ኣይነበረን። ፀጕሪ ርእሱ ይኸብዶ ስለ ዝነበረ በብዓመቱ ይቘርፆ ነበረ። ምስ ቘረፆ ድማ ብሚዛን ንጉስ ክልተ ኺሎ ግራም ይምዘን ነበረ። ንኣቤሴሎም ሰለስተ ኣወዳትን ትእማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወለዱሉ። ትእማር ትርኢታ የመና ፅብቕቲ ሰበይቲ ነበረት። ኣቤሴሎም ከዓ፥ ገፅ ንጉስ እንተይረአየ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ክልተ ዓመት ተቐመጠ። ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክሰዶ ደልዩ ንኢዮኣብ ለኣኸሉ። ኢዮኣብ ግና ናብኡ ምምፃእ ፍቓደኛ ኣይኮነን። መሊሱ ኸዓ ኻልኣይ ጊዜ ለኣኸሉ፤ ንሱ ግና መሊሱ ኣበየ። ሽዑ ኣቤሴሎም ንኣገልገልቱ “ስምዑ፥ ኢዮኣብ ኣብ ጥቓ ግራተይ ግራት ስገም ኣላቶ እሞ ኼድኩም ብሓዊ ኣባርዕዋ” በሎም። እቶም ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ከዓ ነታ ግራት ብሓዊ ኣባርዕዋ። ሽዑ ኢዮኣብ ተሲኡ ንኣቤሴሎም ናብ ቤቱ መፆ እሞ “ስለ ምንታይ እዩ ኣገልገልትኻ ንግራተይ ብሓዊ ዘባርዕዋ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣቤሴሎም ድማ ንኢዮኣብ፦ “ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መፃእኹ? ንኣይስ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሐሸኒ ነይሩ” ኽትብለለይ ኢለ ልኢኸልካስ ስለ ዘይመፃእኻ እዩ። ሕዚ ኸዓ ምስ ንጉስ ኣራኽበኒ፤ በደል እንተ ተረኺቡኒ ኾይኑ ድማ ይቕተለኒ በሎ። ኢዮኣብ ከዓ ናብ ንጉስ ኣትዩ እዝ ነገር እዙይ ነገሮ። ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ፀውዖ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ናብ ንጉስ መፂኡ፤ ኣብ ቅድሚኡ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ሰዓሞ። ድሕሪዙይ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ገበረ፤ ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ዓጀብቲውን ገበረ። ኣንጊሁ ተሲኡ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ እተእቱ መንገዲ ደው ይብል ነበረ። ኵሉ ጉዳይ ዝነበሮ እሞ ኽፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመፀ ሰብ፥ ኣቤሴሎም ፀዊዑ “ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ?” ኢሉ ይጥይቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እየ” ይብሎ። ኣቤሴሎም ድማ “ረአ፥ ነገርካስ ፅቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፤ ግና ኽንዲ ንጉስ ኮይኑ ኽሰምዐካ ዝተኣዘዘ የለን” ይብሎ ነበረ። ቀፂሉውን “ኣነ ዳኛ እንተ ዝኸውን ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ወይ ዝፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ እንተ ዝመፅእ፥ ሓቂ ምፈረድኩሉ ነይረ፤ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ!” ይብል ነበረ። ዝኾነ ሰብ ክሰግደሉ ኢሉ እንተ ቐረቦ ብኢዱ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ። ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክፍረድ ኢሉ ንዝመፀ ዅሉ እስራኤል ከምዙይ እናበለ ይቕበሎ ነበረ። ከምዙይ እናገበረ ኸዓ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣቤሴሎም ንንጉስ ዳዊት “እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹሉ መብፅዓ ኣብ ኬብሮን ክፍፅም ክኸይድ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ። ኣነ ሓሽከርካ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ እንተለኹ ‘እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ብርግፅ እንተ ደኣ መሊሱኒ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኬብሮን ክሰግደሉ እየ’ ኢለ ተመባፂዐ ነይረ እየሞ” በሎ። ንጉስ ከዓ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ተሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ። ኣቤሴሎም ግና ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ሰባት ብምስጢር ልኢኹ “ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ’ በሉ” በሎም። ምስ ኣቤሴሎም ድማ ኽልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ ኢየሩሳሌም ከዱ፤ ንሳቶም ከዓ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ሓደኳ እንተይፈለጡ ብገርህነቶም ከዱ። ኣቤሴሎም ድማ ነቲ ኣማኻሪ ዳዊት ዝነበረ ንበዓል ጊሎ ኣኪጦፌል ኣብ ከተማ ጊሎ መስዋእቲ ኣብ ዘቕርበሉ ጊዜ ፀውዖ። እቲ ሻራ ኸዓ በርትዐ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዘሎ ህዝቢ ድማ እናበዝሐ ኸደ። ሓደ ልኡኽ ናብ ዳዊት መፂኡ ኸዓ፦ “ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ይስዕቡ ኣለዉ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታቱ “ተስኡ ንህደም፥ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውፅኢ የብልናን እሞ፥ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸየውድቐልና፥ ክፉእ ድማ ኸየብፅሐልና፥ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሰይፊ ኸይወቕዓስ፥ ቀልጥፉ ንኺድ” በሎም። እቶም ሹመኛታት ንጉስ ከዓ ንንጉስ፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኵሉ ዝደለኻዮ ንምግባር፥ እኒሀና ኣገልገልትኻ ድልዋት ኢና” በልዎ። ንጉስ ድማ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ እንትርፊ እተን ቤተ መንግስቲ ኽሕልዋ ዝሓደገን ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ፤ ኵሉ ቤተሰቡ ደድሕሪኡ ሰዓቦ። እቲ ንጉስ ወፀ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ሰዓቦ። ርሕቕ ኢሎም ከዓ ኣብ ሓደ ቦታ ደው በሉ። ኵሎም ሓሻኽሩ ኸዓ ብቕድሚኡ ሓለፉ። እቶም ንንጉስ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ኵሎም እቶም ካብ ጌት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ጌታውያንን ቀቅድሚኡ ሓለፉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንጌታዊ ኢታይ “ንስኻኸ ስለ ምንታይ ምሳና ትኸይድ ኣለኻ? ተመለስ፤ ምስ ንጉስ ኣቤሴሎም ድማ ተቐመጥ፤ ንስኻስ ተሰዲድካ ዝመፃእኻ ጓና ኢኻ እሞ፥ ናብ ቦታኻ ተመለስ። ትማሊ ኢኻ ዝመፃእኻ። ኣነ ንርእሰይ ናብ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፤ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ ኾይነ? ኺድ ደኣ ተመለስ፤ ነሕዋትካውን ምለሶም፤ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን” በሎ። ኢታይ ግና ንንጉስ “ጐይታይ ንጉስ! ኣብ ዘለኻዮ ቦታ ብህይወት ኮነ ብሞት ኣነ ሓሽከርካ ኣብኡ ኸም ዝህሉ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። እምበኣር “ኪድ ሕለፍ” በሎ። እቲ ጌታዊ ኢታይን ኵሉ ሰቡን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነብሩ ቘልዑን ድማ ተሳገሩ። ኵሎም እቶም ሰዓብቲ ዳዊት ክሓልፉ እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ይበኽዩ ነበሩ። ንጉስ ድማ ሩባ ቄድሮን ተሳገረ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን በታ ናብ ምድረ በዳ ኣቢላ እትወስድ መንገዲ ተሳገሩ። ሳዶቅ ድማ ኣብኡ ነበረ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ከዓ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ፆይሮም መፁ። ነቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ከዓ ኣቐመጥዎ፤ እቲ ዅሉ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝወፅእ ድማ ኣብያታር ብርኽ ናብ ዝበለ ቦታ ደየበ። ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንኻህን ሳዶቅ፦ “ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ክመልሰኒ እዩ፤ ንእኡን ንማሕደሩን ድማ ኸርእየኒ እዩ። ብኣይ ሕጉስ እንተ ዘይኮይኑ ግና፥ እኒሀኹ፥ ከም ዝደለዮ ይግበረኒ” በሎ። ንጉስ ድማ ንኻህን ሳዶቅ፥ “ንስኻ ረኣዪዶ ኣይኮንካን? ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፤ ወድኻ ኣሒማዓፅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ። እነሆ፥ እቲ ወረ ዝነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረ በዳ ኽፀንሕ እየ” በሎ። ሽዑ ሳዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ ኢየሩሳሌም መለስዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ተቐመጡ። ዳዊት ግና ናብ ደብረ ዘይት ደየበ። ክድይብ እንተሎ ኸዓ ይበኪ ነበረ፤ ርእሱ ተጐልቢቡ ድማ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፤ እናበኸየ ድማ ይድይብ ነበረ። ንዳዊት ከዓ “ኣኪጦፌል ኣብ መንጎ እቶም ሻራ ዝገበሩልካ ተሓዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኽትገብሮ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ፀለየ። ዳዊት ከዓ ናብ ርእሲ እቲ እምባ፥ ናብታ ንእግዚኣብሄር ዝስገደላ ቦታ ምስ መፀ፥ እንሆ፥ እቲ ኣርካዊ ኵሲ፥ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኽራኸቦ መፀ። ዳዊት ድማ “ምሳይ እንተ ኼድካ ኽትከብደኒ ኢኻ። ግና ናብ ከተማ እንተ ተመለስካ፥ ንኣቤሴሎም ከዓ፥ ‘ኦ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ክኸውን እየ፤ ቀደም ኣገልጋሊ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፥ ሕዚ ድማ ሓሽከርካ ክኸውን እየ’ እንተ በልካዮ፥ ሽዑ ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኸም ዝኸውን ክትገብረለይ ኢኻ። እቶም ካህናት ሳዶቅን ኣብያታርን ኣብኡ ምሳኻ ኣለዉ። እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕኻዮ ንኣኣቶም ንገሮም። ክልቲኦም ደቆም፥ ኣሒማዓፅ ወዲ ሳዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን፥ ኣብኡ ምስኣቶም ኣለዉ። ኵሉ እትሰምዕዎ ነገር ድማ ብኣኣቶም ጌርኩም ለኣኹለይ” በሎ። ኣቤሴሎም ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ እንተሎ ኵሲ ፈታዊ ዳዊት ከዓ ኣብኣ በፅሐ። ዳዊት ካብ ርእሲ እቲ እምባ ቑሩብ ምስ ሓለፈ፥ እንሆ፥ ሲባ ኣገልጋሊ ሜምፊቦስቴ ክልተ ሚእቲ እንጀራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጎጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓና ኽልተ ኣእዱግ ሒዙ ተራኸቦ። እቲ ንጉስ ድማ ንሲባ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሲባ ኸዓ፥ “እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ክቕመጥወን፥ እዝ እንጀራን ፍረታትን ድማ እዞም ሓሻኽር ክበልዕዎ፥ እዝ ወይኒ ኸዓ እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝደኽሙ ዘለዉ ኽሰትይዎ ኢለ እየ” በለ። እቲ ንጉስ ድማ “ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” በለ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ንሱስ፥ ‘ሎሚ ቤት እስራኤል፥ መንግስቲ ኣቦይ ክመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ንጉስ ንሲባ “እንሆ፥ ናይ ሜምፊቦስቴ ዝኾነ ዅሉ ንኣኻ እዩ” በሎ። ሲባ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኢድ እነስእ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ጥራሕ ሞገስ እርከብ” በለ። ንጉስ ዳዊት ናብ ብራቂም ምስ መፀ፥ ሳሚ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፥ እናረገሞ ኻብኣ ወፀ። እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ፀጋሙ እንተለዉ፥ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኵሎም ኣገልገልቲ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ። ሳሚ ኽረግሞ እንተሎ “ኣታ ናይ ደም ሰብ፥ ከንቱ ዝኾንካ ውፃእ፤ ውፃእ። ንስኻ ኽንዲ ሳኦል ነገስካ፤ ክንዲ እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ሳኦል ዘፍሰስካዮ ደም፥ እግዚኣብሄር ፈደየካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሴሎም ሃቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ፤ ስለዙይ እንሆ ብኽፍኣትካ ተትሓዝካ” ይብሎ ነበረ። ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ንንጉስ፥ “እዝ ምዉት ከልቢ እዙይ ስለ ምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዝፀርፎ ዘሎ? ኸይደ ርእሱ ኽቘርፆ፥ በይዛኻ ፍቐደለይ” በሎ። ንጉስ ግና “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? እቲ ዝረግመኒ ዘሎስ፥ እግዚኣብሄር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እንተ ኾነ ንእግዚኣብሄር ‘ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብር?’ ዝብሎ መን እዩ?” በሎ። ዳዊት ድማ ንኣቢሳን ንዅሎም ሹመኛታትን፥ “እንሆ፥ እቲ ኻብ ሕቘይ ዝወፀ ወደይ እኳ ኽቐትለኒ እናደለየስ እዝ ብንያማዊ ግዳ ከመይ ዝገደደ ዘይገብር! ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ እዩ እሞ፥ ይርገም ሕደግዎ። እግዚኣብሄር ነዝ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመፃ ሪኡስ፥ ክንዲ እዝ ሎሚ ዝቕበሎ ዘለኹ መርገም ምናልባሽ ፅቡቕ ይፈድየኒ ይኸውን” በሎም። ዳዊትን ሰቡን ብመንገዳ መንገዲ ይኸዱ ነበሩ፤ ሳሚ ኸዓ ኣብ መንፅሩ ብጎቦ እቲ ዀረብታ ኣቢሉ እናኸደ እንተሎ ይረግሞ፥ እምኒውን ይድርብየሉ፥ ሓመድ ከዓ የብንነሉ ነበረ። ንጉስን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ድማ ድሕሪ ብዙሕ ድኻም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ በፅሑ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣዕረፉ። ኣቤሴሎምን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ናብ ኢየሩሳሌም ኣተዉ፤ ኣኪጦፌልውን ምስኡ ነበረ። ኵሲ በዓል ኣርኪ፥ ፈታዊ ዳዊት፥ ናብ ኣቤሴሎም ከይዱ፥ ንኣቤሴሎም “ንጉስ ህያው ኩን፥ ንጉስ ህያው ኩን” በሎ። ኣቤሴሎም ከዓ ንኵሲ “እቲ ንፈታዊኻ ዘለካ ፍቕሪ እዙይ ድዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊኻ ዘይከድካ?” በሎ። ኵሲ ድማ ንኣቤሴሎም “ኣይፋለይን፤ ኣነስ ናይቲ እግዚኣብሄርን እዝ ህዝቢ እዙይን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዝሓረይዎ እየ፤ ምስኡ ኸዓ እነብር። መሊሱውን፥ ንመን ድየ ኸገልግል ዘለኒ? ንኣኻ ንወዱዶ ኣይኮነን? ከምቲ ነቦኻ ዘገልገልክዎ ንኣኻ ድማ ኸገልግለካ እየ” በሎ። ኣቤሴሎም ድማ ንኣኪጦፌል “እንታይ ንግበር? እስኪ ምኸሩ” በሎ። ኣኪጦፌል ከዓ ንኣቤሴሎም “ምስተን ቤት ንጉስ ክሕልዋ ዝሓደገን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ ተራኸብ። ኵሉ እስራኤል ድማ ነቦኻ ኸም ዘዋረድካ ኽሰምዕ እዩ፤ ሽዑ ዅሎም እቶም ምሳኻ ዘለዉ ክተብዑ እዮም” በሎ። ንኣቤሴሎም ድማ ድንኳን ኣብ ናሕሲ ተኸሉሉ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ዅሉ እስራኤል እናረአየ፥ ናብተን ዕቁባት ኣቦኡ ኣተወ። በቲ ጊዜ እቱይ ኣኪጦፌል ዝመኽሮ ምኽሪ ኸም ቃል እግዚኣብሄር ገይሮም ይቕበልዎ ነበሩ። ምስ ዳዊትን ምስ ኣቤሴሎምን ከዓ ኸምዙይ ነበረ። ኣኪጦፌል ድማ ንኣቤሴሎም “በይዛኻ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት መሪፀ ተሲአ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ ፍቐደለይ። ተዳኺሙን ለሽ ኢሉን እንተሎ፥ ሓደጋ ኣውዲቐ ኸደንግፆ እየ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢ ኸዓ ኽሃድም እዩ። ንንጉስ በይኑ ቐቲለ፥ መርዓት ናብ ሰብኣያ ኸም እትምለስ፥ ንዅሉ ህዝቢ ናባኻ ኽመልሶ እየ፤ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ምስ ሞተ፥ ኵሉ ህዝቢ ብሰላም ክነብር እዩ” በሎ። እዝ ምኽሪ እዙይ ንኣቤሴሎምን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ኣሐጐሰ። ኣቤሴሎም ግና “እስኪ ንኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ፀውዕዎ፤ ንሱ ዝብሎ ድማ ኽንሰምዕ” በለ። ኵሲ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣቤሴሎም “ኣኪጦፌል ከምዙይ ዝበለ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ፤ ከምቲ ምኽሩዶ ኽንገብር ይግባእ እዩ? እንተ ዘይኮይኑ ግና ንስኻ ንገረና” ኢሉ ተዛረቦ። ኵሲ ኸዓ ንኣቤሴሎም “ኣኪጦፌል በዝ ጊዜ እዙይ ዝመኸሮ ምኽሪ ፅቡቕ ኣይኮነን” በሎ። ኵሲ ድማ መሊሱ፥ “ኣቦኻን እቶም ጀጋኑ ሰቡን ኣብ በረኻ፥ ዀራኹራ ኸም ዘግደፍዋ ሓራስ ድቢ ኸም ዝኾኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ። ምስ ሰራዊቱ ኸዓ ኣይሓድርን። ሕዚ እኳ ኣብ ሓደ በዓቲ ወይ ኣብ ዝኾነ ቦታ ተሓቢኡ ይህሉ ይኸውን። ብመጀመርታ ንሱ እንተ ደኣ ተዋጊኡኩም፥ እቲ ዝሰምዐ ዅሉ ህዝቢ ‘እቲ ደድሕሪ ኣቤሴሎም ዝሰዓበ ህዝቢ ተስዒሩ እዩ’ ኽብል እዩ። ኣቦኻ ጅግና ኸም ዝኾነ፥ እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸዓ ሓያላት ምዃኖም ኵሉ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ሽዑ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝልቡ ጅግና እኳ ፈፂሙ ልቡ ኽመክኽ እዩ።” ስለዙይ “ከም ሑፃ ባሕሪ ዝበዝሕ፥ ኵሉ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤሕ ናባኻ ክኸትት፥ ባዕልኻውን መሪሕኻዮም ናብቲ ውግእ ክትከይድ እመክር ኣለኹ” በሎ። ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝወድቕ፥ ኣብታ ዝርከበላ ቦታ ሓደጋ ነውድቐሉ። ንእኡን ነቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከዓ ሓደ እንተየትረፍና ንቐትሎም። ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ኣተወ ድማ ሽዑ ዅሉ እስራኤል ናብታ ኸተማ ገመድ የምፅእ፤ ንእሽተይ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ናብ ውሽጢ ሩባ ኽንስሕባ ኢና። ሽዑ ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን፥ “ካብ ምኽሪ ኣኪጦፌልስ ምኽሪ እቲ ዓርካዊ ኵሲ ይበልፅ” በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኸምፅአሉስ፥ ነቲ ፅቡቕ ምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ገበሮ። ሽዑ ኵሲ ነቶም ካህናት፥ ንሳዶቅን ንኣብያታርን፥ “ኣኪጦፌል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዙይ ኢሉ መኸሮም፤ ኣነውን ከምዙይ ኢለ መኸርኩ። እምበኣር ሕዚ ንጉስን እቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ምእንቲ ኸይወሓጡ ‘ዝገበርካ ጌርካ ቐልጢፍካ ተሳገር እምበር፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት ምድረ በዳ ኣይትሕደር’ ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ” በሎም። ዮናታንን ኣኪማኣስን ድማ ኣብ ዔንሮጌል ተሪፎም ነበሩ፤ ምእንቲ ኸይረኣዩ ተገሊፆም ናብ ከተማ ኽኣትዉ ኣይከኣሉን። ስለዙይ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፤ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ። ግና ሓደ መንእሰይ ረአዮም እሞ፥ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱ። ኣብ ብራቂም ምስ በፅሑ እንዳ ሓደ ሰብኣይ ኣተዉ። ኣብ ውሽጢ መረባኡ ዒላ ስለ ዝነበረቶ ድማ ናብኣ ወረዱ። እታ ሰበይቱ ኸዓ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይሪኦም፥ ማእሲ ወሲዳ ኣብ ኣፍ እታ ዒላ ዘርግሐት፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ፍፁሕ ስገም ኣስጠሐት እሞ፥ ነገሩ ኸም ዘይፍለጥ ኮነ። ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት፥ መፂኦም ነታ ሰበይቲ “ኣኪማኣስን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ?” በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ “ከይዶም ሩባ ተሳጊሮም” በለቶም። ንሳቶም ከዓ ደለይዎም፤ ምስ ሰኣንዎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ንሳቶም ምስ ከዱ፥ ኣኪማኣስን ዮናታንን ድማ ኻብታ ዒላ ወፂኦም ከይዶም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ “ኣኪጦፌል ከምዙይ ከምዙይ ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፥ ተሲእኹም ቀልጢፍኩም ነቲ ሩባ ተሳገርዎ” በልዎ። ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ተሲኦም ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ። ክሳዕ ወጋሕታ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ዘይተሳገረ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸዓ ተቐበረ። ዳዊት ድማ ናብ ማሓናይም ከደ። ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ከዓ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳገሩ። ኣቤሴሎም ከዓ ኽንዲ ኢዮኣብ ንኣሜሳይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ኣሜሳይ ወዲ ዮቴር ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብ እዩ። ንሱ ሰብኣይ ኣቤጊያ ጓል ናዖስ እዩ። ኣቤጊያ ሓፍቲ ፅሩያ እኖ ኢዮኣብ እያ። እስራኤልን ኣቤሴሎምን ድማ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ሰፈሩ። ዳዊት ናብ ማሃናይም ምስ ኣተወ፥ ኡኤስቢ ወዲ ናዖስ ካብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን፥ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ኻብ ሎዶባር፥ ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ኸዓ ኻብ ሮግሊም፥ “እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ጠምዩን ደኺሙን ፀሚኡን እዩ ዘሎ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፥ ዓራውትን ሒላባትን ኣቕሓ መሬትን ኣምፅኡ። ከምኡውን ዝብላዕ ስርናይን ስገምን ሕሩጭን ጥቡስ ሸዊትን ኣዳጕራን ብርስንን ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ላሕምን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣምፅኡሎም። ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊት ኣብ ሓደ ኣኪቡ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ሸመሎም። ሓደ ሲሶ ኣብ ትሕቲ ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ እቲ ጌታዊ ኢታይ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፥ “ኣነውን ርግፅ ምሳኻትኩም ክወፅእ እየ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና፥ “ንሕና እንተ ሃደምና ብዛዕባና ግዲ የብሎምን። ፍርቅና እንተ ሞትናውን ብዛዕባና ግዲ የብሎምን። ንስኻ ግና ኽንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፥ ኣይትውፃእ። ስለዙይ ሕዚ ተዳሊኻ ኣብ ከተማ ዄንካ እንተ ሓገዝካና ይሐይሽ” በልዎ። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ኣፍ ደገ ደው በለ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኮይኖም ወፁ። እቲ ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ንኣቢሳን ንኢታይን “ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም፥ ምእንታይ ኢልኩም፥ ኣይትጕድእዎ” ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዅሎም ኣሕሉቕ ብናይ ኣቤሴሎም ነገር ክእዝዞም እንተሎ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ። እቲ ህዝቢ ከዓ ንደቂ እስራኤል ክዋግኦም ናብ ሜዳ ወፀ፤ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኮነ። ኣብኡ ኸዓ እቶም ህዝቢ እስራኤል ብሰራዊት ዳዊት ተስዓሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብርቱዕ ጥፍኣት ኮነ፤ ዕስራ ሽሕ ዝኣኽሉ ኸዓ ሞቱ። እቲ ውግእ ኸዓ ኣብ ዅላ እታ ምድሪ ተጋፍሐ። በታ መዓልቲ ኻብቲ ሰይፊ ዝወሓጦ ዱር ዝወሓጦ በዝሐ። ኣቤሴሎም ድማ ብድንገት ንኣገልገልቲ ዳዊት ተራኸቦም። ኣብ በቕሊ ኸዓ ተቐሚጡ ነበረ። እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጨንፈር ዘለዎ ዓብዪ ኦም ኣተወት፤ ርእሱ ኸዓ በቲ ጨንፈር ኦም ተትሓዘ እሞ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል ኢሉ ተረፈ፤ እታ ተቐሚጥዋ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሓለፈት። እዙይ ዝረአየ ሰብኣይ ድማ ንኢዮኣብ “ኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ ሪአዮ” ኢሉ ነገሮ። ኢዮኣብ ከዓ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ፥ “እንሆ ርኢኻዮ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ደኣ ዘይቀተልካዮ? ዓሰርተ ቅርሺ ብሩርን ዕጥቒ ተዋግኣይን ምሃብኩኻ ነይረ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ንኢዮኣብ “ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሳን ንኢታይን ‘ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም፥ ምእንታይ ኢልኩም ኣይትጕድእዎ’ ኢሉ ኽእዝዘኩም እንተሎ ንሰምዖ ስለ ዝነበርና፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ኣብ ኢደይ እንተ ዝወሃበኒ እኳ፥ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይመልዓልኩን። ንእኡ ቀቲለዮ እንተ ዝኸውን ድማ ኻብ ንጉስ ዝሕባእ ነገር ስለ ዘየለ፥ ምፈለጠ ነይሩ፤ ንስኻውን ኣይመድሓንካንን ኔርካ” በሎ። ሽዑ ኢዮኣብ፥ ኣቤሴሎም ገና ብህይወቱ ኣብ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ እንተሎ ሰለስተ ፍላፃ ወሲዱ ኣብ ልቡ ሸኸለሉ። ንኢዮኣብ ኣፅዋሩ ዝስከሙሉ ዓሰርተ መንእሰያት ከዓ ንኣቤሴሎም ከበብዎ፤ ወቒዖም ድማ ቐተልዎ። ኢዮኣብ ድማ እቲ ሰራዊት፥ ውግእ ምእንቲ ኸቋርፅ መለኸት ነፍሐ፤ እቲ ሰራዊት ከዓ ኻብ ምስጓጕ እስራኤል ተመለሰ። ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም፥ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ የመና ዓብዪ ዅምራ እምኒ ኾመሩሉ። ኵሎም እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ። ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተሎ “ንመዘከርታ ስመይ ዝኾነኒ ወዲ የብለይን” ኢሉ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ለሰ ንጉስ ሓደ ሓወልቲ ኣቝሙ ነበረ። ነቲ ሓወልቲ ኸዓ ብስሙ ሰመዮ፤ ክሳዕ ሎሚ ድማ “ሓወልቲ ኣቤሴሎም” ተብሂሉ ይፅዋዕ ኣሎ። ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ ድማ “ንንጉስ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቱ ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፥ ጐይየ ደኣ ኸበስሮ” በለ። ኢዮኣብ ከዓ “ሎሚ መዓልቲ፥ ብስራት እትነግር ንስኻ ኣይኮንካን፤ ንስኻ ብኻልእ መዓልቲ ኢኻ ብስራት እትነግር። ወዲ ንጉስ ሞይቱ ስለ ዘሎ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንስኻ ብስራት ኣይትነግርን ኢኻ” በሎ። ኢዮኣብ ግና ኵሲ “ኪድ፥ ዝረአኻዮ ንንጉስ ንገሮ” በሎ። ኵሲ ድማ ንኢዮኣብ ኢድ ነሲኡሉ ጐየየ። ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ ኸዓ ንኢዮኣብ መሊሱ “ዝመፀ ይምፃእ፤ በይዛኻ ኣነውን ደድሕሪ ኵሲ ኽጐዪ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ወደይ፥ ብስራት ነጊርካ እትቕበሎ ውህብቶ የብልካን እሞ፥ ስለ ምንታይ ትጐዪ?” በሎ። ንሱ ድማ “ዝመፀ ይምፃእ፤ ክጐዪ እየ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ኪድ ጕየ” በሎ። ኣኪማኣስ ድማ ብመንገዲ ጐልጐል ዮርዳኖስ ጐይዩ ንኵሲ ቐደሞ። ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ኣፍ ደገ ተቐሚጡ ነበረ። ሓደ ሓላዊ ኸዓ ኣብ ዝባን እቲ መካበብያ ደዪቡ ኣብኡ ደው በለ። እንተ ጠመተ ኸዓ በይኑ ዝጐዪ ሰብኣይ ረአየ። እቲ ሓላዋይ ከዓ ፀዊዑ ንንጉስ ዓው ኢሉ ነገሮ። ንጉስ ድማ “በይኑ እንተ ኾይኑስ፥ ብስራት ዝሓዘ እዩ” በለ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ቐልጢፉ ቐረበ። እቲ ሓላዊ ኻልእ ሰብኣይ ክጐዪ ረአየ፤ ሽዑ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገ ፀዊዑ “በይኑ ዝጐዪ ኻልእ ሰብኣይ ድማ ይመፅእ ኣሎ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ “እዙይ እውን ዘበስር እዩ” በለ። እቲ ሓላዊ ድማ “ንኣይስ ጕያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ መሲሉ ይረአየኒ ኣሎ” በለ። ንጉስ ከዓ “ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ። ፅቡቕ ብስራት ዘምፅእ እዩ” በለ። ኣኪማኣስ ድማ ንንጉስ ዓው ኢሉ “ሰላም” በሎ። ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ እሞ “እቲ ኣብ ፀላእትኻ ዓወት ዝሃበካ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባረኽ” በሎ። ንጉስ ድማ “እቲ መንእሰይ ኣቤሴሎምከ ደሓን ድዩ?” በሎ። ኣኪማኣስ ድማ “ኢዮኣብ ንኣይ ኣገልጋሊኻን ነቲ ኻልእ ኣገልጋሊኻን ክልእኸና እንተሎ፥ ብዙሕ ዕግርግር ረአኹ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጥኩን” በሎ። ንጉስ ከዓ “ርሕቕ ኢልካ ደው በል” በሎ። ንሱ ድማ ርሕቕ ኢሉ ደው በለ። ኵሲ ኸዓ መፀ። ንንጉስ ድማ “ካብ ኵሎም ፀላእትኻ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣድሒኑካ እዩ እሞ፥ ጐይታይ ንጉስ ኣብስረካ ኣለኹ” በሎ። ንጉስ ድማ ንኵሲ “እቲ መንእሰይ ኣቤሴሎም ደሓን ድዩ?” በሎ። ኵሲ ኸዓ “ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስን ንኽፉእኻ ዝትስኡ ዅሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ” በሎ። ሽዑ ንጉስ የመና ሕንቕንቕ በለ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ ድማ በኸየ። “ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ! ወደይ ኣቤሴሎም! ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ? ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ!” ኢሉ በኸየሉ። ንኢዮኣብ ድማ “እንሆ፥ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይሓዝንን ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። እቲ ንጉስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሓዘነ፥ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሉ ህዝቢ እቲ ናይ ዓወት ታሕጓስ ናብ ሓዘን ተለወጠ። ካብ ኲናት ብምህዳሞም ሓፊሮም እናደነኑ ኸም ዝኸዱ ህዝቢ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ ብፍርሓት እናደነነ ናብ ከተማ ኣተወ። እቲ ንጉስ ከዓ ገፁ ኸደነ፤ ዓው ኢሉ ድማ “ወደይ ኣቤሴሎም! ኣቤሴሎም ወደይ! ወደይ!” ኢሉ በኸየ። ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ቤት ንጉስ ኣትዩ ንንጉስ “ሎሚ ነቶም ህይወትካን ህይወት ኣወዳትካን ኣዋልድካን፥ ህይወት ኣንስትኻን ኣንስቲ ወሰንካን፥ ንዘድሓኑ ዅሎም ኣገልገልትኻ ኣሕፈርካዮም። ነቶም ዝፀልኡኻ ብምፍታውካን፥ ነቶም ዝፈትዉኻ ድማ ብምፅላእኻን፥ ነቶም ሓሻኽርካ ኣሕሉቕን ግዲ ኸም ዘይብልካ፥ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተ ዝህሉ፥ ንሕና ዅልና ግና ሎሚ እንተንመውት፥ ዝሐሸ ኾይኑ ኸም ዝረአየካ፥ ሕዚ ፈለጥኩ። ሕዚ ኸዓ፥ ተሲእካ ውፃእሞ፥ ንሓሻኽርካ ኣተባብዕ። እንተ ዘይወፂእኻ ግና፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘየሓድር፥ ብእግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብቲ ብንእስነትካ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ዝበፅሐካ ኽፉእ ድማ፥ እዙይ ዝገደደ እዩ” በሎ። እስራኤል ግና፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሃዲሙ ነበረ። ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ “እዝ ንጉስ ካብ ኢድ ፀላእትና ኣውፅአና፥ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሓነና፤ ሕዚ ኸዓ ብሰንኪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞተ። ሕዚ ኸዓ፥ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለ ምንታይ ስቕ እትብሉ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተኻትዑ። ንጉስ ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ሳዶቅን ኣብያታርን፥ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸሎም፤ “ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘ዘረባ ዅሉ እስራኤል ናባይ በፂሑ ሰሚዐዮ እየ፤ ስለ ምንታይከ ንስኻትኩም ንኣይ ናብ ቤተ መንግስተይ ንምምላስ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ? ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ዓፅመይን ስጋይን ኢኹም። ስለ ምንታይ ንምምላሰይ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ?’ ንኣሜሳይ ከምዙይ በልዎ፦ ‘ንስኻስ ዓፅመይን ስጋይን ኢኻ፤ ንስኻ ኽንዲ ኢዮኣብ ንዅልሻዕ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝገብረካ ብስም ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ።’ ” ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸዓ ንልቢ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ መለሰ። ናብ ንጉስ ከዓ “ንስኻን ኵሎም ሓሻኽርካን ተመለሱ” ኢሎም ለኣኹ። ሽዑ ንጉስ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መፀ። ሰብ ይሁዳ ድማ ኸይዶም ንንጉስ ተቐቢሎም ፈለግ ዮርዳኖስ ከሳግርዎ ናብ ጌልገላ መፁ። ሳሚ፥ ወዲ ጌራ ብንያማዊ በዓል ባሑሪም ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ኾይኑ ንንጉስ ዳዊት ክቕበሎ ቐልጢፉ ወረደ። ካብ ነገድ ብንያም ከዓ ሽሕ ሰብኡት ምስኡ ነበሩ። ሲባ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ድማ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ኣገልገልቱን ሒዙ መፀ። ኵላቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ናብ ዮርዳኖስ መፁ። ሳሚ ወዲ ጌራ ኸዓ፥ ንጉስ ንዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ፥ ኣብ ቅድሚኡ ወዲቑ ሰገደሉ። ንንጉስ ድማ፦ “ጐይታይ! ነቲ በደለይ ይቕረ በለለይ፤ በታ ጐይታይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ነቲ ኣነ ኣገልጋሊኻ ዝበደልኩኻ ኣይትዘክሮ፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ። ኣነ ኣገልጋሊኻ ኸም ዝበደልኩኻ እፈልጥ ኣለኹ። እንሆ ኸዓ፥ ሎሚ ቕድሚ ዅላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፥ ንጐይታይ ንጉስ ክቕበል መፂአ ኣለኹ” በሎ። ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና “ሳሚ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ረጊሙ እዩ እሞ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሉ ተዛረበ። ዳዊት ድማ “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ስለ ምንታይ ትፃረሩኒ? ምሳኻትኩምከ እንታይ ኣለኒ? ሎሚ ኣብ እስራኤል ኣነ እየ ንጉስ፤ ሎሚ ኸዓ ኣብ እስራኤል ሰብ ብሞት ኣይቕፃዕን እዩ?” በሎም። ንጉስ ከዓ ንሳሚ “ኣይትመውትን ኢኻ” ኢሉ መሓለሉ። ሜምፊቦስቴ ወዲ ወዱ ንሳኦልውን ንንጉስ ክቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝተመለሰላ መዓልቲ እግሩ ኣይሓፀበን ጭሕሙውን ኣይላፀየን፤ ክዳኑውን ኣይሓፀበን ነበረ። ንንጉስ ክቕበሎ ኻብ ኢየሩሳሌም ምስ ወፀ ኸዓ፥ ንጉስ፦ “ኣታ ሜምፊቦስቴ፥ ስለ ምንታይ ምሳይ ዘይኸድካ?” በሎ። ንሱ ድማ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንካስ እየ እሞ፥ ኣድጊ ፅዒነ ተቐሚጠ ምስ ንጉስ ክኸይድ ሓሲበ ነበርኩ፤ ግና ሲባ ሓሽከረይ ኣታለለኒ። ንሱ ኣባኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሓስዩ ኣባኣሰኒ። ጐይታይ ንጉስ ግና ኸም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኢኻ እሞ፥ ደስ ዝበለካ ግበር። ኵላ ቤት ኣቦይ ብዘይ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፤ ንስኻ ግና ጐይታይ ንጉስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣለኒ? ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ?” በለ። እቲ ንጉስ ከዓ፦ “ነቲ ርስቲ ሳኦል ንስኻን ሲባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፤ ብዛዕባ ኻልእ ነገር ግና መሊስካ ኣይትዛረብ” በሎ። ሜምፊቦስቴ ድማ ንንጉስ፥ “እንኳዕ ደኣ ጐይታይ ንጉስ ብደሓን ናብ ገዛኻ ተመለስካ እምበር ኵሉውን ይውሰዶ” በሎ። ቤርዜሊ በዓል ገለዓድ ከዓ ሮግሊም ካብ ዝበሃል ቦታ ወሪዱ ኽሳዕ ሰገር ዮርዳኖስ ከፋንዎ ኢሉ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ። ቤርዜሊ ወዲ ሰማንያ ዓመት ነበረ። እምብዛ ድማ ሸምጊሉ ነበረ። የመና ሃብታም ነበረ እሞ፥ ንንጉስ ኣብ መሓናይም እንተሎ ይቕልቦ ነበረ። ንጉስ ከዓ ንቤርዜሊ “ንስኻ ምሳይ ናብ ኢየሩሳሌም ተሳገር እሞ፥ ዘድልየካ ዅሉ ኽገብረልካ እየ” በሎ። ቤርዜሊ ግና ንንጉስ “ምሳኻ ናብ ኢየሩሳሌም ዝድይብስ ክንደይ ዓመትዶ ተሪፉኒ እዩ? ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፤ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ክፈሊ ኣይክእልን እየ፤ ጣዕሚ ዝበልዖ ኾነ ዝሰትዮ ኣይፈልጥን እየ፤ ድምፂ ዝደርፉን ዝደርፋን ኣይሰምዕን እየ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ኣገልጋሊኻ ንጐይታይ ንጉስ ሸኽሚ ዝኾነካ? እዝ ዅሉ ሞሳውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ግና ዮርዳኖስ ክሳዕ እትሳገር ቁሩብ ከፋንወካ። ሽዑ ኣብቲ መቓብር ኣቦይን እኖይን ዘለዎ፥ ኣብ ከተማይ ክመውት ንኣይ ንሓሽከርካ ኽምለስ ፍቐደለይ። ወደይ ከመዓም ግና፥ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፤ ንእኡ ደስ ዝበለካ ግበረሉ” በሎ። ንጉስ ከዓ “እምበኣር ከመዓም ምሳይ ይሳገር፤ ንኣኻ ደስ ዘብለካ ድማ ኽገብረሉ እየ፤ ንኣኻውን ኵሉ ኻባይ እትደልዮ ኽገብረልካ እየ” በሎ። ንጉስን ኵሉ እቲ ህዝብን ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ንጉስ ድማ ንቤርዜሊ ስዒሙ መረቖ። ቤርዜሊ ከዓ ናብ ቦታኡ ተመለሰ። ንጉስ ከዓ ናብ ጌልገላ ተሳገረ፤ ከመዓምውን ምስኡ ተሳገረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ድማ ንንጉስ ኣሳገርዎ። እንሆ ድማ፥ ኵሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መፂኦም፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ስለ ምንታይ እዮም እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ንኣኻን ንስድራኻን ንዅሎም ሓሻኽርካን እንተይነገሩና ንዮርዳኖስ ዘሳገሩኹም?” በልዎ። ኵሎም ሰብ ይሁዳ ኸዓ ንሰብ እስራኤል፥ “ንጉስ ንኣና ስለ ዝቐርብ ኢና፥ ስለ ምንታይ ኢኹም በዝ ነገር እዙይ እትዅርዩ? ኻብ ንጉስዶ ዝኾነ ብላዕ በሊዕና ኢና? ወይ ዝኾነ ውህብቶዶ ሂቡና እዩ?” ኢሎም መለሱሎም። እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳ፥ “እቲ ንጉስ ንኣና ብዓሰርተ ኢድ ይቐርበና፤ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበለፀ መሰል ኣለና፤ ስለ ምንታይከ ነዓቕኩምና? ንንጉስ ‘ንምለሶ’ ኢልና ቕድም ዝተዛረብናስ ንሕናዶ ኣይኮንናን?” ኢሎም መለሱሎም፤ ግና ኻብ ዘረባ ሰብ እስራኤልስ ዘረባ ሰብ ይሁዳ ደኣ ረዘነ። ኦ እስራኤል! ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ገዛኹም ተመለሱ” ኢሉ መለኸት ነፍሐ። ኵሎም ሰብ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ሓዲጎም ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ሰዓቡ። ሰብ ይሁዳ ግና ንንጉሶም እሙናት ኮይኖም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኢየሩሳሌም ተኸተሉ። ዳዊት ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤቱ ኣተወ። ሽዑ ነተን ቤት ክሕልዋ ሓዲጉወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ኻብቲ ዝነበራኦ ወሲዱ፥ ክሕለዋ ኣብ ሓደ ቤት ኣቐሚጡ ይቕልበን ነበረ። ምስኣተን ግና ርክብ ኣይገበረን። ንሳተን ከዓ ኸም መበለታት ኮይነን ክሳዕ ዕለተ ሞተን ተዓፅየን ነበራ። ንጉስ ድማ ንኣሜሳይ “ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፤ ንስኻ ኸዓ ሒዝካዮም ኣብዙይ ተረኸብ” በሎ። ሽዑ ኣሜሳይ ንሰብ ይሁዳ ኸኽትት ከደ፤ ግና በቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ኣይተመለሰን። ሽዑ ዳዊት ንኣቢሳ፥ “ሕዚ ሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ዝገደደ ጕድኣት ከውርደልና እዩ፤ ዕሩዳት ከተማታት ከይረክብ እሞ፥ ከይመልቝስ፥ ንስኻ ኣገልገልተይ ሒዝካ ሰዓቦ” በሎ። ሽዑ ናይ ኢዮኣብ ሰባትን እቶም ሓለውቲ ንጉስን ኵሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወፁ፤ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኸሳጕጉዎ ኸዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፁ። ኣብቲ ኣብ ገባዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ምስ በፅሑ፥ ኣሜሳይ ክራኸቦም መፀ። ኢዮኣብ ድማ ኽዳን ውግእ ተኸዲኑ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሰይፊ ምስ ሰገባኡ ተዓጢቑ ነበረ። ንሱ ክኸይድ እንተሎ ድማ እቲ ሰይፊ ወደቐ። ኢዮኣብ ድማ ንኣሜሳይ “ደሓንዶ ኣለኻ፤ ሓወይ?” ኢሉ፥ ዝስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ጭሕሙ ሓዞ። ኣሜሳይ ግና ነቲ ኢዮኣብ ዝሓዞ ሰይፊ ስለ ዘይተጠንቀቐሉ፥ ኢዮኣብ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ፥ ኣምዑቱውን ናብ ምድሪ ተዘርገፈ፤ ካልኣይ እንተይወግኦ ኸዓ ሞተ፤ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ድማ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኽሃድንዎ ኸዱ። ሓደ ሰብኣይ ካብ ኣገልገልቲ ኢዮኣብ ከዓ ኣብ ጥቓ ሬሳ ኣሜሳይ ቖይሙ “ፈታዊ ኢዮኣብ ዝኾነን ወገን ዳዊት ክኸውን ዝደልን ደድሕሪ ኢዮኣብ ይስዓብ” ይብል ነበረ። ኣሜሳይ ከዓ ኣብ ማእኸል መንገዲ ወዲቑ ኣብ ልዕሊ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ ዅሉ እቲ ናብኡ ዝመፅእ ህዝቢ ደው ከም ዝብል ምስ ረአየ፥ ንሬሳ ኣሜሳይ ካብ መንገዲ ናብ ግራት ኣግለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሐሉ። ነቲ ሬሳ ኣሜሳይ ካብ መንገዲ ምስ ኣልዓልዎ ግና፥ ንሳቤዔ ወዲ ቢኽሪ ኽሃድኑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ደድሕሪ ኢዮኣብ ሓለፉ። ሳቤዔ ድማ በቲ ዅሎም ነገዳት እስራኤል ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ገይሩ ናብ ኣቤል፥ ናብ ቤትመዓካ፥ ናብ ኵሎም ደቂ ቢክሪ ሓለፈ። ኵሎም እቶም ሰባትውን ተኣኪቦም ሰዓብዎ። እቶም ምስ ኢዮኣብ ዝነበሩ ሓሽኽር ድማ መፂኦም ኣብ ኣቤል ናይ ቤት ማዓካ ኸበብዎ፤ ነታ ኸተማ ምስቲ መካበብያኣ ዝቐውም ድልድል ሓመድ ገበሩላ። ነቲ መንደቕ ኸውድቕዎ ከዓ የፍርስዎ ነበሩ። ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲ “ስምዑ፥ ስምዑ፥ በይዛኻትኩም ንኢዮኣብ ‘ክዛረበካ ናብዙይ ቅረብ’ በሉለይ” እናበለት ዓው ኢላ ተዛረበት። ንሱ ኸዓ “እሰምዕ ኣለኹ” በላ። ንሳ ድማ “ቐደም ‘ምኽሪ ዝጥይቕ፥ ኣብ ኣቤል ይጠይቕ’ ይበሃል ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ነገሩ ይፍፀም ነበረ። ኣብ እስራኤል ሰላምን ሓቅን ካብ ዝፈትዉ ኣነ እየ፤ ንስኻ ደኣ ስለ ምንታይ ነዛ ኣብ እስራኤል እኖ ዝኾነት ከተማ ኽተፍርሳ ትደሊ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ኢኻ ነታ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ?” ኢላ ነገረቶ። ኢዮኣብ ድማ “ኣይፋለይን፥ ንኸተማኹምስ ኣየዕንዋን እየ፤ ኣየጥፍኣንውን እየ። ነገሩ ኸምኡ ኣይኮነን። ሳቤዔ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ቢክሪ ኻብ እምባታት ኤፍሬም፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዳዊት ዓመፀ፤ ሕዚ ኸዓ ንእኡ ጥራሕ ሃቡኒ እምበር ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም እየ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኢዮኣብ “እምበኣር ርእሱ ብመካበቢያ ኽንድርብየልካ ኢና” በለቶ። ሽዑ እታ ሰበይቲ ሓሳባታ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ነገረቶም። ንሳቶም ድማ ርእሲ ሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ቘሪፆም ንኢዮኣብ ደርበዩሉ። ኢዮኣብ ከዓ “ተመለሱ” ዝብል መለኸት ነፍሐ። ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ገዛኡ ፋሕ በለ። ኢዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። ኢዮኣብ ሓለቓ ዅሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፤ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ። ኣዶኒራም ድማ ናይቶም ተገዲዶም ዝሰርሑ ሓለቓ ነበረ። ዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ተሓዚ መዝገብ ነበረ፤ ሱሳም ድማ ፀሓፊ ነበረ፤ ሳዶቅን ኣብያታርን ከዓ ኻህናት ነበሩ፤ ዒራስ እቲ ያኢራዊ ድማ ናይ ዳዊት ኣማኻሪ ነበረ። ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዓመት ዓመት ጥሜት ኮነ። ዳዊት ከዓ ንገፅ እግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ሳኦል ንሰብ ገባዖን ስለ ዝቐተሎም፥ እዙይ ብሰንኩን ብሰንኪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን እዩ” በሎ። ዳዊት ከዓ ንገባዖናውያን፦ “ንርስቲ እግዚኣብሄር ክትባርኹስ፥ እንታይ ክገብረልኩም፥ መተዓረቒኸ እንታይ እዩ?” በሎም። እቶም ገባዖናውያን ድማ “ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ዘሎ ናይ ብሩርን ወርቅን ነገር ኣይኮነን። ካብ ወገን እስራኤልውን እንቐትሎ የለን” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም እየ” በሎም። ንሳቶም ድማ ንንጉስ፥ “እቲ ዝወድአናን ኣብ ኵሉ ወሰን እስራኤል ከይንነብር፥ ምእንቲ ኽንፀንት ዝተተናዀለናን ሰብኣይ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ገባዖን ናይ ሳኦል፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንሰቅልስ፥ ካብ ደቁ ሸውዓተ ሰባት ሃበና” በልዎ። እቲ ንጉስ ከዓ “ኣነ ኽህበኩም እየ” በሎም። ግና ነቶም ደቂ ሪፅፋ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን ሜምፊቦስቴን፥ ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል ጓል ሳኦል፥ ንዓድርኤል ወዲ ቤርዜሊ መሖላታዊ ዝወለደትሉን ወሰዶም። ኣብ ኢድ ገባዖናውያን ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፤ ሸውዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፤ ንሳቶም ክሞቱ እንተለዉ ዓፂድ ስገም ዝጅመረሉ ጊዜ ቐውዒ ነበረ። ሪፅፋ ጓል ዮዳሄውን ወጮ ወሲዳ፥ ካብ መጀመርታ ቐውዒ ሒዛ፥ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዝዘንም ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዘርግሐት፤ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ብለይቲ ድማ ኣራዊት በረኻ ክዓርፉሎም ኣይሓደገቶምን። እቲ ሪፅጳ ጓል ዮዳሄ፥ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል ዝገበረቶ ኸዓ ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ድማ ኸይዱ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ወሰደ። (ፍልስጥኤማውያን በታ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ፤ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ከዓ ኻብቲ ኣደባባይ ቤትሳን ሰሪቖም ወሲዶምዎም ነበሩ።) ዳዊት ከዓ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ወሰደ፤ ከምኡ እውን ኣዕፅምቲ እቶም ዝተሰቕሉ ሸውዓተ ደቂ ሳኦል ኣከበ። ነቲ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ቂስ ኣቦ ሳኦል፥ ኣብ ምድሪ ብንያም፥ ኣብ ፄላ ቐበርዎ። ኵሉ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ኸዓ ገበሩ። ድሕሪዙይ ድማ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመነ ሰምዐ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኸም ብሓድሽ ምስ እስራኤል ተዋግኡ። ዳዊትን ሰቡንውን ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ዳዊት ድማ ክዋጋእ ውዒሉ ደኸመ። ካብ ወገን ራፋይም፥ ሰለስተ ኺሎን ፈረቓን ዝምዘን ኲናት ነሃስ ዝነበሮ፥ ይሽቢብኖብ ሓድሽ ሰይፊ ተዓጢቑ ነበረ፤ ንዳዊትውን ክቐትሎ ሓሰበ። ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና ረድኦ፤ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸዓ ብሰይፉ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “መብራህቲ እስራኤል ከይትጠፍእስ፥ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትወፅእን” ኢሎም ኣብ ቅድሚኡ መሓሉ። ድሕሪዙይ ድማ መሊሶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ጎብ ኣብ ዝበሃል ቦታ ውግእ ኮነ። ሽዑ ሴቦካይ ሑሳታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋይም ዝነበረ ኣሳፍ ዝበሃል ሰብኣይ ቀተሎ። ቀፂሉውን ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኮነ። ኤልያናን ወዲ የዓሬኦርጊም በዓል ቤተ ልሔም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ መጠቕለሊ ኣላማይ ዝነበረ ጎልያድ በዓል ጌት ቀተሎ። ከምኡውን ኣብ ጌት ውግእ ኮነ። ኣብኡ ኸዓ ሸሽዱሽተ ኣፃብዕ ኣእዳውን፥ ኣፃብዕቲ ኣእጋርን፥ ኣብ ኵሉ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕቲ ዝነበሮ፥ ጕልቡት ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብ ራፋይም ዝተወለደ ነበረ። ንሱ ንእስራኤል ምስ ፀረፎም ድማ፥ ዮናታን፥ ወዲ ሳማ ሓው ዳዊት፥ ቀተሎ። እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጌት ካብ ራፋይም ዝተወለዱ ነበሩ፤ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ሰቡን ከዓ ተቐተሉ። ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሓነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እዝ መዝሙር እዙይ ዘመረ። “እግዚኣብሄር ከውሐይን እምባይን መድሓኒየይን እዩ። ኦ መድሓኒየይ! ካብ ተግባር ግፍዒ ተድሕነኒ ኢኻ። ካብ ፀላእተይ ከዓ ኽድሕን እየ።” ወሓይዝ ዓመፃ ኣፍርሐኒ፤ መፈንጠሪታት ሞት መፀኒ፤ ኣውያተይውን ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በፅሐ። እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ኣንቀጥቀጠ፤ ፍሕሚውን ካብኡ በርሀ። ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ። በኽናፍ ንፋስ ከዓ ተርኣየ። ማይ ዝተፅዓነ ኸቢድ ደመና ኸዓ ኸበቦ። ካብ ነፀብራቕ ገፁ ዝተልዓለ፥ ፍሕሚ ነደደ። እቲ ልዑልውን ቃሉ ሃበ። መባርቕቱ ለኣኸ ሃወኾምውን። መሰረታት ዓለምውን ተቐልዑ። ካብ ብዙሕ ማያትውን ኣውፅአኒ። ካብቶም ዝፀልኡኒ ብርቱዓት ፀላእተይ ኣናገፈኒ። ግና እግዚኣብሄር ደገፍ ኮነኒ። ፈትዩኒ እዩሞ ኣድሓነኒ። ከም ንፅህና ኣእዳወይውን ይምልሰለይ። ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን። ካብ ስርዓቱውን ኣይረሓቕኩን እሞ። ካብ በደልውን ንርእሰይ ዓቀብኩ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ፈደየኒ። ምስ ቅኑዕ፥ ቅኑዕ ኾይንካ ትርከብ፤ ምስ ጠዋይ፥ ጠዋይ ኴንካ ትርከብ። ንዓይኒ ዕቡያት ግና ተዋርዶ። እግዚኣብሄር ንፀልማተይ የብርሆ። ብኣምላኸይውን ንዕርዲ እዘሎ። ንሱ ነቶም ኣብኡ ዝዕቈቡ ዅሎም፥ ዋልታኦም እዩ። ብዘይ ኣምላኽናኸ፥ ኰዅሒ መን እዩ? ንመንገደይውን የቕንዖ። ኣብ እምባታት ከዓ ዘቑመኒ እግዚኣብሄር እዩ። ንቐላፅመይ ከዓ ቐስቲ ነሃስ ምግታር መሃረን። ተግሳፅካውን ኣዕበየኒ። ኣእጋረይውን ኣየንደልሃፃን። ክሳዕ ዝውድኦም ከዓ ኣይተመለስኩን። ተስዒሮም ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ። ኣብ ልዕለይ ንዝቖሙ ፀላእተይ፥ ኣብ ትሕተይ ኣግዛእኻዮም። ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኹዎም። ንሱ ግና ኣይሰምዖምን። ከም ጭቃ መንገዲ ረገፅኩዎም፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ይግዝአኒ። ብእዝኒ ሰሚዖም ይእዘዙኒ። ካብቲ ዝተዓፀዉሉ እናንቀጥቀጡ ይወፁ። እቲ እምባ ምድሓነይ ዝኾነ ኣምላኽ ልዕል ልዕል ይበል። ነህዛብ ኣብ ትሕተይ የግዝኦም፤ ካብ ገፋዕቲውን ተናግፈኒ ኢኻ። ንስምካውን እዝምር ኣለኹ። ንዘለኣለም ይገብር። ዳዊት ወዲ እሴይ ዝተዛረቦ እዙይ እዩ። ቃሉ ኸዓ ኣብ ኣንደበተይ ነበረ። እቲ ብፍርሓት እግዚኣብሄር ዝገዝእ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ። ንዅሉ ምድሓነይን ድሌተይንከ ኣየብቍለለይን ድዩ? ዝተድርበየ እሾዅ እዮም። ኣብቲ ዘለውዎ ብስራሖም ድማ ፈፂሞም ብሓዊ ይነዱ።” ስም እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ እዩ፦ ኢያቡስቴ ዝበሃል ከነዓናዊ፥ ርእሲ እቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ፤ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሸሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ። ብድሕሪኡ ኸዓ ኤልያና ወዲ ዶዶ ኣሖሓዊ እዩ። ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ፤ ንሳቶም ነቶም ክዋግኡ ኣብኡ ዝተኣከቡ ፍልስጥኤማውያን እናላገፁ ምስ ኣለዓዓልዎም እቶም ሰብ እስራኤል ኣድሐርሐሩ። ንሱ ግና ተሲኡ ኢዱ ኽሳዕ እትድንዝዝ፥ ኣብታ ሰይፊ እውን ክሳዕ እትለግብ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም። እግዚኣብሄር ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ዓወት ከም ዝረኽቡ ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ምርኮ ኽገፉ ጥራሕ ደድሕሪኡ ተመለሱ። ሳልሳዮም ከዓ ሳማ ወዲ ኣጌ ኣሮዳዊ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ሓደ ጭፍራ ኾይኖም ኣብ ሓንቲ ሌሒ እትበሃል ብርስን ኣብ ዝመልአት ግራት ተኣከቡ። እስራኤላውያን ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ። ንሱ ግና ኣብ ማእኸል እታ ግራት ቆይሙ ተፀበየ፤ ንፍልስጥኤማውያን ከዓ ሰዓሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ብጊዜ ዓፂድ ድማ ኻብቶም ሰላሳ ኣሕሉቕ ሰለስተ ወሪዶም ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ኣዱላም መፁ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ለሰ ራፋይም ሰፊሩ ነበረ። ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ነበረ፤ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቤተ ልሔም ነበሩ። ዳዊት ድማ፥ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ መን ኮን ማይ መስተየኒ?” በለ። ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዒላ ቤተ ልሔም፥ ማይ ቀዲሖም ንዳዊት ኣምፅኡሉ። ዳዊት ግና “ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ይኹን” ኢሉ ኣፍሰሶ እምበር፥ ክሰትዮ ኣይደለየን። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ነዙይስ ኣይሰትዮን እየ፤ እዙይ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢፆም ዝኸዱ ሰባት ምስታይ እዩ” በለ። ስለዙይ ምስታይ ኣበየ። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዝገበርዎ ዓበይቲ ተግባራት እዙይ ነበረ። ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ፥ ነቶም ሰላሳ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ኲናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ቐተለ። ስሙ ኸዓ ከምቶም ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ፥ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ በዓል ቀብፅኤል፥ ዓብዪ ስራሕ ዝሰርሐ ነበረ፤ ንሱ ነቶም ክልተ ጀጋኑ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፤ በረድ ኣብ ዝኾነሉ መዓልቲ እውን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ። ከምኡ ድማ ንሓደ ምርኡይ ግብፃዊ ሰብኣይ ቀተለ። እቲ ግብፃዊ ዂናት ብኢዱ ሒዙ ነበረ፤ በናያስ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፤ ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብፃዊ መንዚዑ፥ በገዛ ዂናቱ ቐተሎ። በናያስ ወዲ ዮዳሄ እዝ ነገር እዙይ ገይሩ ነበረ፤ ንሱ ኸምቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ። ካብቶም ሰላሳ ንላዕሊውን ይኸብር ነበረ፤ ከምቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይኮነን፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ ናይ ክብሪ ዘብዐኛታቱ ሸሞ። ኣሳሄል ሓው ኢዮኣብ ኣብ ማእኸል እቶም ሰላሳ ነበረ፤ ኤልያናን፥ ወዲ ዱዲ ኻብ ቤተልሔም፥ ሳማ በዓል ኣሮዳ፥ ኤሊቃ በዓል ሓሮዳ፥ ዒራስ ወዲ ዒቄሽ ቆዓ፥ ምቡናይ በዓል ኩሳታ፥ ኖኤሬ በዓል ነጦፋ፥ ኢታይ፥ ወዲ ሪባ ኻብ ጊብዓ ናይ ደቂ ብንያም፥ ሂዳይ ካብ ሩባታት ገዓስ፥ ዓዝሞት በዓል በርሑማ፥ ደቂ ኣሳን፥ ዮናታን ኣምናን፥ ወዲ ኣራር በዓል ኣሮዳ፥ ኤልያብ ወዲ ኣኪጦፌል፥ በዓል ጊሎና፥ ፈዓራይ በዓል ኣርባ። ባኒ በዓል ጋድ፥ ነሓራይ በዓል ብዔሮት፥ ተሸካሚ ኣፅዋር ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ። ጋሬብ በዓል ይትራዊ፥ ኵሎም ሰላሳን ሸውዓተን እዮም። ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከዓ “ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍፀሮም” ኢሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣለዓዓሎ። ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን “ቍፅሪ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ዘይርኩም ቍፀርዎም” በሎም። ኢዮኣብ ድማ ንንጉስ “ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ እናረአየ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሚእቲ ሻዕ የብዝሓዮ፤ ግና፥ ጐይታይ ንጉስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ምንታይ ክትገብሮ ደለኻ?” በሎ። ግና ቓል ንጉስ፥ ኣብ ኢዮኣብን ኣብ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ኣሸነፈ፤ ኢዮኣብን ኣሕሉቕ ሰራዊቱን ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወፁ። ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፥ ኣብታ ኣብ ምድሪ ጋድ፥ ኣብ ማእኸል ለሰ ዘላ ብየማን ከተማ ኢያዜር ኣብ ኣሮዔር ሰፈሩ። ናብተን ኣብ ምድሪ ኬጢያውያን ዝርከባ ገለዓድን ቃዴስን ድማ ኣተዉ። ሽዑ ናብ ዳንየዓንውን በፅሑ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ምዕራብ ሲዶና ኸዱ። ካብኡ ናብ ደቡብ ሓሊፎም ናብታ ዕርድቲ ኸተማ ጢሮስ ከዱ፤ ካብኡ ድማ ናብ ኵለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነዓናውያንን ከዱ። ናብ ደቡብ ይሁዳ ዘላ ቤርሳቤህ እትብሃል ድማ በፅሑ። ስለዙይ ንዅላ እታ ሃገር ዘይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ኢዮኣብ ድማ ፀብፃብ እቲ ዝተቘፀረ ህዝቢ ንንጉስ ኣቕረበ፦ ተዋጋእቲ ሰባት ኣብ እስራኤል ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ብርቱዓት ሰባት ነበሩ። ሰብ ይሁዳ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ነበሩ። ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈፀሮ ግና ሕሊናኡ ወቐሶ። ንእግዚኣብሄር ድማ “በቲ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፤ እዝ ዝገበርክዎ ዓብዪ በደል እዩ እሞ፥ ሕዚ ኦ እግዚኣብሄር፥ በይዛኻ፥ ንኣይ ንባርያኻ በደለይ ይቕረ በለለይ” በሎ። ዳዊት ንግሆ ቕድሚ ምትስኡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነቢይ ጋድ፥ ናብቲ ናይ ዳዊት ራእይ ነጋሪ መፂኡ “ኪድ ንዳዊት፥ እግዚኣብሄር ‘ሰለስተ ነገራት ኣቕርበልካ ኣለኹ፤ ካብኣተን ሓንቲ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ፤ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ። ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መፂኡ “ኣብ ሃገርካ ሰለስተ ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሕሸኒ” በሎ። እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ። እቲ መልኣኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፥ እግዚኣብሄር በቲ ጥፍኣት ሓዚኑ፥ ነቲ ህዝቢ ዘጥፍእ ዝነበረ መልኣኽ፥ “ደጊም ይኣኽለካ፤ ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ነበረ። ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዝቐስፍ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአዮ፥ ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ እየ ዝበደልኩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም እንታይ ገበሩ? ኢድካ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ኸትከውን እልምነካ ኣለኹ” በሎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ጋድ ናብ ዳዊት መፂኡ “ናብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ኺድ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ መሰውኢ ስራሕ” በሎ። ዳዊት ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብጋድ ገይሩ ዝኣዘዞ ኸደ። ኦርና ኸዓ ንጉስን ኣሕሉቑን ናብኡ ኽመፁ እንተለዉ ረአየ፤ ወፂኡ ኸዓ ብገፁ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ። ኦርና ድማ “ጐይታይ ንጉስ! ናባይ ናብ ኣገልጋሊኻ ስለ ምንታይ መፃእኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “እዝ መቕሰፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኽኽልከል፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሐሉ፥ ነዝ ዓውዲ ኻባኻ ኽዕድግ እየ መፂአ” በሎ። ኦርና ድማ ንዳዊት “ጐይታይ ንጉስ፥ እቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ወሲድካ ኣቕርብ። ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ኣብዑር፥ ንዝነድድ ዕንፀይቲ፥ ሰረገላታትን መሳርሒ ማሕረስን እንሆ” በሎ። ኦርና ድማ “ኦ ንጉስ! እግዚኣብሄር ደኣ ይቀበለልካ እምበር እዝ ዅሉ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ንጉስ ግና ንኦርና “ኣይፋልካን ዋጋ ዘይከፈልኩሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣየቕርበሉን እየ እሞ፥ ብዋጋኡ ደኣ ሽጠለይ” በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ቕርሺ ብሩር ዓደጎም። ዳዊት ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናንውን ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመኖ ሰምዐ፤ እቲ መቕሰፍቲ እውን ካብ እስራኤል ተኸልከለ። ንጉስ ዳዊት ሸምገለ፤ ዕድሚኡውን ነውሐ፤ ክዳውንቲ እንተ ደረቡሉኳ ኽመውቕ ኣይከኣለን። ሽዑ እቶም ኣገልገልቱ “ንጐይታና ንንጉስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ቆይማ እተላዕሎን እትኣልዮን፥ ምእንቲ ኽመውቕ ከዓ ሓቚፋቶ እትድቅስ ድንግል ጓል ክንደልየሉ” በልዎ። ሽዑ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል መልክዐኛ ጓል ደለዩ። ንሱናማዊት ኣቢሳውን ረኸቡ እሞ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣምፅእዋ። ንሳ የመና ፅብቕቲ ነበረት፤ ንንጉስ ከዓ ትከናኸኖን ተገልግሎን ነበረት፤ እቲ ንጉስ ግና ኣይፈልጣን ነበረ። ንኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ንኻህን ኣብያታርን ድማ ምስጢሩ ነገሮም፤ ንሳቶም ከዓ ደገፍዎ። ካህን ሳዶቅን በናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቢይ ናታንን ሳሚን ሬሲን እቶም ሓያላት ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያስ ኣይነበሩን። ኣዶንያስ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዓይንሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔሌት ኣባጊዕን ከፍትን ስቡሓት ጣዓዉን ሓረደ። ንዅሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዅሎም ሹመኛታት ንጉስ ዝኾኑ ሰብ ይሁዳን ከዓ ፀውዖም። ንነቢይ ናታንን ንበናያስን ነቶም ጀጋኑ ሓለውቲ ንጉስን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይፀውዖምን። ሽዑ ናታን ንቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን፥ “ጐይታና ንጉስ እንተይፈለጠ፥ ካብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕኽን ኢኺ?” በላ። “ሕዚ ድማ ህይወትክን ህይወት ሰሎሞን ወድኽን እተድሕንሉ ምኽሪ ኽመኽረኪ ንዒ። ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት እተዊ፤ ‘ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ንስኻ ንኣይ ንገረድካ፥ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ እዩ፥ ንሱ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ፥ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን? ስለ ምንታይ ደኣ ኣዶንያስ ነገሰ?’ በሊዮ። እንሆ፥ ገና ንስኺ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ እንተለኺ ኸዓ ኣነ ብድሕሬኺ ኣትየ፥ እቲ ዝበልክዮ ሓቂ ኸም ዝኾነ ኸረጋግፀሉ እየ” በላ። ቤርሳቤህ ከዓ ናብ ንጉስ ናብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ የመና ኣሪጉ ነበረ፤ ኣቢሳ እታ ሱናማዊት ከዓ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት። ቤርሳቤህ ድማ ድንን ኢላ ንንጉስ ዳዊት ኢድ ነስአትሉ። እቲ ንጉስ ከዓ፥ “እንታይ ኢኺ ደሊኺ?” ኢሉ ጠየቓ። ቤርሳቤህ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ‘ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ’ ኢልካ ንኣይ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ኔርካ። ሕዚ ግና እንሆ፥ ኣዶንያስ ነጊሱ፥ ንስኻ፥ ጐይታይ ንጉስ ከዓ ነዙይ ኣይፈለጥካዮን። ንሱ ኣብዑርን ስቡሓት ጣዓውን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱ፥ ንዅሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ፀዊዕዎም ኣሎ። ንሰሎሞን ወድኻ ግና ኣይፀውዖን። ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ ንጉስ፥ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋንካ ዝቕመጥ ክትነግሮም ኵሎም እስራኤል ንኣኻ ይፅበዩ ኣለዉ። እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ምስ ሞትካ፥ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመፅቲ ኽንቍፀር ኢና” በለቶ። እንሆ ድማ፥ ቤርሳቤህ ምስ ንጉስ ክትዛረብ እንተላ፥ ነቢይ ናታን ኣተወ። ንንጉስ ከዓ “ነቢይ ናታን እንሆ መፂኡ” ኢሎም ነገርዎ። ናታን ናብ ቤት ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ። ሽዑ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ብድሕሬኻ ኣዶንያስ ከም ዝነግስ፥ ንሱ ድማ ኣብ ዙፋንካ ኸም ዝቕመጥዶ ኣዊጅካ ኢኻ? ንሱ ሎሚ ወሪዱ፥ ኣብዑርን ስቡሓት ጣዓዉን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱ፥ ንዅሎም ደቅኻን ንኣሕሉቕ ሰራዊትን ንኻህን ኣብያታርን ፀዊዕዎም ኣሎ፤ እኒሀዉ ኸዓ፥ ምስኡ ይበልዑን ይሰትዩን ኣለዉ፤ ‘ንጉስ ኣዶንያስ ህያው ይኹን’ ድማ ይብሉ ኣለዉ። ንኣይ ንኣገልጋሊኻን ንኻህን ሳዶቅን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ንወድኻ ሰሎሞንን ግና ኣይፀውዐናን። ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋንካ ዝቕመጥ መን ከም ዝኾነ ንሹመኛታትካ ኣይነገርካናን። እዝ ነገርዙይ ጐይታይ ንጉስ ዲኻ ጌርካዮ?” በሎ። ሽዑ ንጉስ ዳዊት “ንቤርሳቤህ ፀውዑለይ” በለ። ንሳ ኸዓ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ ኣትያ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። እቲ ንጉስ ድማ “በቲ ንህይወተይ ካብ ኵሉ ፀበባ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ከምቲ ‘ሰሎሞን ወድኺ ብድሕረይ ክነግስ እዩ፥ ንሱ ድማ ኽንዳይ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሓልኩልኪ፥ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ” ኢሉ መሓለ። ሽዑ ቤርሳቤህ ተምበርኪኻ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ሰገደትሉ፤ “ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን” እውን በለት። ንጉስ ዳዊት ድማ፥ “ንኻህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ፀውዑለይ” በለ። ንሳቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ መፁ። ንሱ ኸዓ “ነቶም ሓለውተይ ምሳኻትኩም ተማሊእኹም፥ ንወደይ ሰሎሞን ከዓ ኣብ በቕለይ ኣቐሚጥኩም ናብ ሩባ ግዮን ኣውርድዎ። ኣብኡ ኸዓ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኹም ድማ ‘ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን’ በሉ። “ብድሕሪኡውን ተኸቲልኩምዎ ውፁ፤ ንሱ ኸዓ መፂኡ ኣብ ዙፋነይ ይቀመጥ እሞ ኽንዳይ ይንገስ፤ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ክነግስ ኣዚዘ እየ” በሎም። በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ንንጉስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ደኣ ኸምኡ ይበል እምበር፥ ከምቲ ዝበልካዮ ኽንገብር ኢና። እግዚኣብሄር ከምቲ ምሳኻ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፥ ከምኡ ኸዓ ምስ ሰሎሞን ይኹን፤ ንዙፋኑ ድማ ኻብ ዙፋንካ የዕብያ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን በናያስ ወዲ ዮዳሄን እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ከሊታውያንን ፊሊታውያንን፥ ንሰሎሞን ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣቐሚጦም ብዓጀብ ናብ ግዮን ወሰድዎ። ካህን ሳዶቅ ድማ በቲ ኻብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘምፅኦ፥ ኣብ ቀርኒ ዝመልአ ዘይቲ ገይሩ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ኵሎም ህዝቢ ድማ፥ “ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን” በሉ። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ዓጂቦምዎ ወፁ፤ ደርፊውን ይደርፉ ነበሩ፤ የመና ኸዓ ተሓጐሱ፤ ብወኻዕታኦም ድማ ምድሪ ተናወፀት። ኣዶንያስን ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅዉዓትን ድማ በሊዖም ምስ ወድኡ ድምፂ ሰምዑ። ኢዮኣብ ከዓ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዐ “እዝ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ወኻዕታ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ። ገና ኽዛረብ እንተሎ፥ እንሆ፥ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መፀ፤ ኣዶንያስ ድማ “ኣታ ፅቡቕ እተበስር ለባም ሰብ ኢኻ እሞ እቶ” በሎ። ዮናታን ከዓ ንኣዶንያስ ከምዙይ ኢሉ መለስ፦ “ኣይፋለይን፤ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ። እቲ ንጉስ ንኻህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቶም ሓለውቲ ንጉስ ክሊታውያንን ፊሊታውያንን ክዕጅብዎ ሰደዶም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣቐመጥዎ። ካህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ድማ ንጉስ ክኸውን ኣብ ግዮን ቀብእዎ። ካብኡ ኸዓ ብዕልልታ ዓጂቦምዎ ተመለሱ፥ እታ ኸተማ ድማ ብዕልልታ ኣጋወሐት፤ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ድምፂ እዙይ እዩ። ሰሎሞን ከዓ ኣብ ዙፋን መንግስቲ ተቐመጠ። እቶም ሹመኛታት ቤተ መንግስቲ ድማ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ኣትዮም ንጐይታና ንጉስ ዳዊት ‘ኣምላኽካ ንሰሎሞን ካባኻ የብልፆ፤ ንዙፋኑ ኸዓ ኻብ ዙፋንካ የዕብዮ’ እናበሉ መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። ቀፂሉ ኸዓ ‘እቲ ኣዒንተይ እናረአያ ሎሚ ኣብ ዙፋነይ ዝቕመጥ ውሉድ ዝሃበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን’ በለ።” ሽዑ እቶም ኣዶንያስ ዝፀውዖም ኵሎም ፈርሑ፤ ተሲኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ መመንገዶም ከዱ። ኣዶንያስ ከዓ ንሰሎሞን ፈርሖ፤ ተሲኡ ድማ ኸደ፤ ቀርኒ መሰውኢውን ኣፅኒዑ ሓዘ። ኣገልገልቱ ድማ፥ ንሰሎሞን “እንሆ፥ ኣዶንያስ ንኣኻ ንንጉስ ፈሪሑ ቐርኒ መሰውኢ ሒዙ ኣሎ፤ ‘ንጉስ ሰሎሞን ንኣይ ንሓሽከሩ ብሰይፊ ኸይቐትለኒ ሎሚ ይምሓለለይ’ ይብል ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ሰሎሞን ከዓ “ቅኑዕ ሰብ እንተ ኾይኑስ ካብ ፀጕሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ፤ ክፍኣት እንተ ተረኽቦ ግና፥ ክመውት እዩ” በለ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ኻብቲ መሰውኢ ኣምፅኦ። ንሱ ኸዓ መፂኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነስአሉ። ሰሎሞን ድማ “ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ። ዳዊት ዝሞተላ መዓልቲ ምስ ቀረበት ንሰሎሞን ወዱ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኣነ መንገዲ ዅሉ ምድሪ እኸይድ ኣለኹሞ፥ ፅናዕ፤ ሰብውን ኩን። እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ምእንቲ ኽቐንዐካስ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ፤ ከም ፍቓዱ ኸዓ ንበር፤ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ስርዓቱን ድማ ሓሉ። እግዚኣብሄር ነቲ ‘ደቅኻ፥ ብኣካይዳኦም እንተ ተጠንቂቖም፥ ኣብ ቅድመይ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብሓቂ እንተ ተመላሊሶም፥ ካብ ዘርእኻ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝነግስ ኣየቋርፅን እዩ’ ኢሉ ዝተናገሮ ቓል ምእንቲ ኸፅንዕ እዩ። እምበኣር ንስኻውን ከም ጥበብካ ግበር። ንሲበቱውን ብሰላም ናብ መቓብር ኣይተውርዶ። “እቲ ኻብ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሃድም እንተለኹ ቐሪቦሙኒ እዮም እሞ፥ ንደቂ ቤርዜሊ እቲ ገለዓዳዊ ፅቡቕ ግበረሎም፤ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑውን ይኹኑ። “እንሆ ኸዓ፥ ሳሚ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፥ በዓል ብራቂም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ኣነ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፤ ግና ንሱ ንዮርዳኖስ ኣብ ዝተሳገርኩሉ ጊዜ ኽቕበለኒ ወረደ፤ ኣነውን ‘ብሰይፊ ኣይቀትለካን እየ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሓልኩሉ። ሕዚ ኸዓ ብዘይ ቅፅዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፥ ንሲበቱውን ምስ ደም ናብ መቃብር ኣውርዶ።” ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐበረ። ዳዊት ኣብ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ነገሰ፤ እዙይ ድማ፥ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። ሰሎሞን ድማ ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ተቐመጠ፤ ስልጣን መንግስቱውን የመና ፀንዐት። እቲ ኻብ ሓጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ድማ ናብ ቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን መፀ። ንሳ ኸዓ “ናባይ ምምፃእኻስ ብሰላም ድዩ?” በለቶ። ንሱ ድማ “ብሰላም እዩ” በላ። ኣስዒቡ ኸዓ “ምሳኺ ዘረባ ኣለኒ” በላ። ንሳ ኸዓ “ተዛረብ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፥ ኵሎም ደቂ እስራኤልውን ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ገፆም ናባይ ገይሮም ከም ዝነበሩ ንስኺ ትፈልጢ ኢኺ። ፍቓድ እግዚኣብሄር ኮይኑሉ ግና፥ እታ መንግስቲ ንሓወይ ኮነት። ሕዚ ኸዓ ሓንቲ ልመና ኽልምነኪ እየሞ ኣይተሕፍርኒ” በላ። ንሳ ድማ “ተዛረብ” በለቶ። ቤርሳቤህ ከዓ፥ “ፅቡቕ እዩ፤ ንንጉስ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ” በለቶ። ቤርሳቤህ ብዛዕባ ኣዶንያስ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። እቲ ንጉስ ከዓ ኽቕበላ ተስአ፤ ኢድ ነሲኡላ ድማ ኣብ ወንበር ተቐመጠ፤ ንኣኣውን መንበር ከምፅኡላ ኣዘዘ እሞ ብየማኑ ተቐመጠት። ንሳ ኸዓ፥ “ሓንቲ ንእሽተይ ልመና ኽልምነካ እየ እሞ ኣይተሕፍረኒ” በለቶ። ንጉስ ድማ “እኖይ፥ ኣየሕፍረክንሞ ጠይቒ” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣቢሳ እታ ሱናማዊት፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ፥ ንሓውካ ኣዶንያስ ትወሃብ” በለቶ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ንኖኡ፥ “ንኣዶንያስ፥ ኣቢሳ እታ ሱናማዊት እትጥይቕሉ ስለ ምንታይ ኢኺ? ንሱ ኻባይ ዝዓቢ ሓወይ እዩ፤ እምበኣር እዛ መንግስቲ እውን ጠይቒሉ! ብቕድሙውን ካህን ኣብያታርን ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን መሻርኽቱ ነይሮም እዮም” ኢሉ መለሰላ። ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን “ኣዶንያስ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ዝተዛረበ እንተ ዘይኮይኑ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፥ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ። “ሕዚ ኸዓ በቲ ኣብ ዙፋን ኣቦይ ዳዊት ኣደልዲሉ ዘቐመጠኒ፥ ከምቲ ዘተስፈዎ ድማ ንኣይን ንዘርአይን መንግስቲ ዘቖመለይ፥ ኣዶንያስ ሎሚ ኸም ዝቕተል፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ። ስለዙይ ንጉስ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሰደዶ፤ ንሱ ድማ ንኣዶንያስ ወቕዖ፤ ሞተውን። ንጉስ ከዓ ንኻህን ኣብያታር “ንስኻ ሞት ዝግብአካ ሰብ ኢኻ፤ ግና ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዘመን ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝፆርካ፥ ኣብ ኵሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፥ ሎሚ ኣይቀትለካን እየ፤ ግና ናብ ግራውትኻ፥ ናብ ኣናቶት ኪድ” በሎ። እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ፥ ኣብ ሴሎ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ኮይኑ ኻብ ምግልጋል ሰዓሮ። ኢዮኣብ ድማ ንኣቤሴሎም እኳ እንተ ዘይተኸተለ፥ ንኣዶንያስ ተኸቲሉ ነበረሞ፥ ወረ ምስ በፅሖ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ሃዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ሓዘ። ንንጉስ ሰሎሞን ከዓ ኢዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሃደመን ንመሰውኢ ድማ ኸም ዝሓዘን ነገርዎ። ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ልኡኽ ሰዲዱ ስለ ምንታይ ናብቲ መሰውኢ ኸም ዝሃደመ ጠየቖ። ኢዮኣብ ድማ ንሰሎሞን ፈሪሑ ኸም ዝሃደመ ነገሮ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ፥ “ኬድካ ቕተሎ” ኢሉ ኣዘዞ። በናያስ ከዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን መፂኡ፥ “ንጉስ ‘ውፃእ’ ኢሉ ይእዝዘካ ኣሎ” በሎ። ንሱ ግና “ኣይፋለይን፤ ኣብዙይ ደኣ እመውት እምበር ኣይወፅእን እየ” በሎ። በናያስ ድማ ንንጉስ፥ ኢዮኣብ ከምዙይ ኢሉኒ፥ ከምዙይውን መሊሱለይ ኢሉ ነገሮ። ንጉስ ከዓ “ከምቲ ዝበሎ ግበር፤ ቀቲልካ ቕበሮ፤ ነቲ ኢዮኣብ ዘፍሰሶ ንፁህ ደም ድማ ኻባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ። ነቶም ካብኡ ዝቐንዑን ዝሐሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፥ ንኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓሜሳይ ወዲ ዮቴር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፥ ኣቦይ ዳዊት እንተይፈለጠ፥ ብሰይፊ ወቒዑ ስለ ዝቐተሎም፥ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊኡ ይምለሰሉ። ደሞም ናብ ርእሲ ኢዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ንዘለኣለም ይመለስ፤ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዙፋኑን ግና ኻብ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ሰላም ይኹን” በሎ። ሽዑ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብታ ኣብ ሜዳ ዘላ መሬቱ ኸዓ ተቐበረ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኽንዲ ኢዮኣብ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሓለቓ ሰራዊት ገበረ። ንኻህን ሳዶቕ ከዓ ኽንዲ ኣብያታር ገበረ። እቲ ንጉስ ከዓ ንሳሚ ልኢኹ ፀውዖ። “ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት ሰሪሕኻ ተቐመጥ፤ ካብኣ ድማ ኣይትውፃእ። በታ ወፂእኻ ንሩባ ቄድሮን ዝተሳገርካላ መዓልቲ ርግፅ ከም እትመውት ኣፀቢቕካ ፍለጥ፤ ደምካውን ኣብ ርእስኻ ይኹን” በሎ። ሳሚ ኸዓ ንንጉስ “እዝ ዝበልካዮ ፅቡቕ እዩ፤ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበልካዮ ኣነ ባርያኻ ኸምኡ ኽገብር እየ” በሎ። ሳሚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ኣገልገልቲ ሳሚ ናብ ኣንኩስ ወዲ መዓካ፥ ንጉስ ጌት ሃደሙ። ንሳሚ ድማ “ኣብ ጌት ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ሳሚ ኣድጉ ፅዒኑ ነቶም ኣገልገልቲ ኽደልዮም ናብ ኣንኩስ ናብ ጌት ከደ። ምስ ረኸቦም ድማ ሒዝዎም ተመለሰ። ሳሚ ኻብ ኢየሩሳሌም ናብ ጌት ከይዱ ኸም ዝተመለሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ልኢኹ ንሳሚ ፀውዖ፤ “በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ርግፅ ከም እትመውት ኣፀቢቕካ ፍለጥ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣሰሚዐልካንዶ ኣይነበርኩን? ንስኻውን ‘እዝ ዝበልካዮ ፅቡቕ እዩንዶ ኢልካኒ ኣይነበርካን?’ ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለ ምንታይ ኢኻ ዘይሓለኻዮ? “እቲ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ኽፉእ ነገር ኣፀቢቕካ ትፈልጦ ኣለኻ። ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ክቐፅዐካ እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ግና ቡሩኽ ይኹን፤ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ፅኑዕ ይኹን” በሎ። ንጉስ ድማ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ኣዘዞ፤ ንሱ ድማ ወፂኡ ንሳሚ ቐተሎ፤ ሞተውን። እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ፀንዐት። ሰሎሞን ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሓሙ ኾነ እሞ ንጓል ፈርዖን ኣእተዋ፤ ቤቱን ቤት እግዚኣብሄርን ነቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቕፅርን ሰሪሑ ኽሳዕ ዝውድእ ከዓ፥ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኣ። ክሳዕ እቲ እዋን እቱይ ገና ብስም እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ኣይተሰርሐን ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ጥራሕ ይስውእ ነበረ። ሰሎሞን ድማ ንእግዚኣብሄር ይፈትዎ ነበረ፤ ብስርዓት ኣቦኡ ዳዊትውን ይኸይድ ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። እታ ዝዓበየት ኰረብታ ገባዖን ነበረት እሞ፥ እቲ ንጉስ ኣብኣ ኽስውእ ከደ። ኣብቲ መሰውኢ እቱይ ከዓ ሰሎሞን ሽሕ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ። በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ኣብ ገባዖን ብሕልሚ ተገለፀሉ። “እንታይ ከም ዝህበካውን ለምን” በሎ። ሰሎሞን ድማ “ንስኻ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት ብዙሕ ምሕረት ገበርካሉ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ ብእምነትን ብፅድቅን ብቕንዕና ልብን ተመላለሰ፤ ነዝ ዓብዪ ምሕረት እዙይ ሓሊኻ ኸዓ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ ወዲ ሃብካዮ። “ሕዚ እውን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ንኣይ ንባርያኻ ኽንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ፤ ኣነ ኸዓ መውፅእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽተይ ቈልዓ እየ። ኣነ ባርያኻ ድማ ኣብ ማእኸል እዝ ንስኻ ዝሓረኻዮ ህዝቢ፥ ኣብ ማእኸል እዝ ካብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ዘይቝፀርን ዘይፅብፀብን ብዙሕ ህዝቢ እየ ዘለኹ። ነዝ ብዙሕ ህዝቢ እዙይ ደኣ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ብቕንዕና ምእንቲ ኽፈርድስ፥ ንባርያኻ ዘስተውዕል ልቢ ሃቦ” ኢሉ ለመነ። ሰሎሞን እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝለመነ ድማ፥ ነገሩ ንእግዚኣብሄር ደስ ኣበሎ። እግዚኣብሄርውን፥ “ፍርዲ ንምፍላጥ ምስትውዓል ለመንካ እምበር፥ ንባዕልኻ ብዙሕ ዘመናት፥ ብዙሕ ሃብቲ፥ ነፍሲ ፀላእትኻ እንተይለመንካ፥ ነዝ ነገር እዙይ ለሚንካ ኢኻሞ። እንሆ፥ ኣነውን ከምቲ ቓልካ ገይረልካ ኣለኹ፤ ብልህን ዘስተውዕል ልብን ሂበካ ኣለኹ። እዝ ውህብቶ እዙይ ቅድሜኻ ንዝነበረ ኣይሃብኩን፤ ብድሕሬኻውን ከማኻ ዝበለ ኣይህሉን እዩ። ምስኡ ድማ፥ ካብ ነገስታት ዝመስለካ ሓደ እኳ ኸይነብር ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብረትን ሂበካ ኣለኹ። ከም ኣቦኻ ዳዊት ሕግጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓሊኻ፥ ብመንገደይ ድማ እንተ ኼድካ፥ ዕድሜኻ ኽነውሕ እዩ” በሎ። ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፤ እንሆ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ። ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቆመ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ኣዕረገ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዅሎም ሹመኛታቱ ድማ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ኽልተ ኣመንዝራታት ኣንስቲ ናብ ንጉስ መፂአን ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ። እታ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ “ኦ ጐይታይ፥ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር። ኣብታ ቤት ምስኣ እንተለኹ ኸዓ ወዲ ወለድኩ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልተይውን እዛ ሰበይቲ እዚኣ ወለደት። ንሕና ኸዓ ብሓንሳእ ነበርና፤ ኣብታ ቤት እቲኣ ብዘይ ክልቴና ኻልእ ሰብ ኣይነበረን። “ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኸዓ፥ ንሳ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት ለይቲ ሞተ። ፍርቂ ለይቲ ተሲኣ ኸዓ፥ ኣነ ገረድካ ደቂሰ እንተለኹ፥ ነቲ ወደይ ካብ ሕቝፈይ ወሲዳ ኣብ ሕቝፋ ኣደቀሰቶ፤ ነቲ ምዉት ወዳ ግና ኣብ ሕቝፈይ ኣደቀሰቶ። እንሆ ወደይ ከጥቡ ኢለ ንግሆ እንተ ተሳእኹ ኸዓ ሞይቱ ፀንሐ። ብምስትውዓል እንተ ጠመትክዎ ድማ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ኣይነበረን” በለት። እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ወደይ እዩ፤ እቲ ምዉት ግና ወድኺ እዩ” በለት። እዚኣ ድማ “ኣይፋሉን፤ እቲ ምዉት ደኣ እዩ ወድኺ እምበር፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎስ ወደይ እዩ” በለት። በዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተኸራኸራ። ሽዑ እቲ ንጉስ “እዚኣ ‘እዝ ብህይወቱ ዘሎ ወደይ እዩ፥ እቲ ምዉት ከዓ ወድኺ እዩ’ ትብል ኣላ፥ እዚኣ ኸዓ ‘ኣይፋሉን፥ እቲ ምዉት ወድኺ እዩ፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ግና ወደይ እዩ’ ትብል ኣላ” በለ። እቲ ንጉስ ከዓ “ሰይፊ ኣምፅኡለይ” በለ። ሰይፊ ድማ ኣምፅኡሉ። እቲ ንጉስ ድማ “ነዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ኣብ ክልተ ቘሪፅኩም እቲ ፈረቓ ነዛ ሓንቲ፥ እቲ ፈረቓ ኸዓ ነታ ሓንቲ ሃብወን” በለ። ሽዑ እታ ወዳ ብህይወት ዘሎ ኣምዑታ ተናወፀ እሞ፥ ነቲ ንጉስ፥ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ንኣኣ ሃብዋ እምበር ምቕታልስ ኣይትቕተልዎ” ኢላ ተዛረበቶ። እታ ኻልአይቲ ግና፥ “ኣይ ንኣይ፥ ኣይ ንኣኺ፥ ቍረፅዎ ደኣ” በለት። ሽዑ ንጉስ “ምቕታልስ ኣይትቕተልዎ፤ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ሃብዋ፤ እኖኡ ንሳ እያ” ኢሉ መለሰ። ነዝ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ብዘለዉ እስራኤል ሰምዕዎ። ቅኑዕ ፍርዲ ንምፍራድ ጥበብ እግዚኣብሄር ኣብኡ ኸም ዘሎ ሪኦም ከዓ ንንጉስ ፈርሕዎ። እንሆ ድማ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ኮነ። ኣዛርያስ ወዲ ሳዶቅ ካህን፥ ኢዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ፥ ፀሓፊ ታሪኽ፥ ሳዶቅን ኣብያታርን ካህናት፥ ዛቡድ ወዲ ናታን ካህንን ፈታዊ ንጉስን፥ ኣዶኒራም ወዲ ዓብዳ፥ ኣካቢ ግብሪ፥ ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ መመሓደርቲ ሃገር ነበርዎ። ንሳቶም ንንጉስን ንቤቱን ዝምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ወርሒ ኽምግቡ ሓላፍነት ነበሮም። ወዲ ሑር ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም፥ ወዲ ዴቀር ኣብ ማቃፅን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤትሳሜስን ኣብ ኤሎንቤትሓናንን፥ ቤን ሔሰድ ኣብ ኣሩቦት፥ ኣብ ሰኮት፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኤፌርን፥ (ንጣፈት ጓል ሰሎሞን ኣእትዩ ዝነበረ እዩ።) በዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዕናክን መጊዶን ኣብ ኵላ ቤትሳንን፥ እታ ኣብ ጎቦ ፀርታንም፥ ብትሕቲ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ዘሎ ቤትሳን ክሳዕ ኣቤልምሖላና፥ ክሳዕ ሰገር ዮቅምዓም ዘላ፥ ወዲ ጌበር ኣብ ሬማት ዘገለዓድ፥ ኣብተን ኣብ ገለዓድ ዘለዋ ዓድታት ኢያዕር ወዲ ምናሴ፥ ኣብታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፥ ኣብተን ዕርድታትን መሸጐሪ ነሃስን ዘለወን ስሳ ዓበይቲ ኸተማታት ነበርዎ፤ ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ መሓናይም፥ ዝተመርዓወ፥ ኣብ ንፍታሌም፥ በዓና ወዲ ኵሲ ኣብ ኣሴርን ኣብ በዓሎትን፥ ኢዮሳፋጥ ወዲ ፋሩዋ ኣብ ይሳኮር፥ ሳሚ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፥ ልዕሊ እታ ሃገር ዝገዝእ ሓደ ሹም ነበረ። ይሁዳን እስራኤልን ከም ሑፃ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ፤ ሕጕሳት ድማ ነበሩ። ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶምውን ንሰሎሞን ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ይግብሩሉን ይግዝእዎን ነበሩ። ምግቢ ሰሎሞን ከዓ ነንመዓልቲ ሓሙሽተ ሽሕ ኪሎ ግራም ምሩፅ ሕሩጭ፥ ዓሰርተ ሽሕ ኪሎ ግራም ድማ ተራ ሕሩጭ፥ ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑር፥ ዕስራ ኣብዑር ካብ መጓሰዪ፥ ሚእቲ ኣባጊዕ ነበረ። እዙይ ድማ ብዘይ ዋልያታትን ሰስሓታትን ዓጋዜንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ። ንሱ ድማ ነታ ኽነዘው ሩባ ኤፍራጥስ ዘላ ዅላ ሃገር፥ ካብ ቲፍሳ ክሳዕ ጋዛ ነቶም ክነዘው ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ብዅሉ ወገን ሰላም ኮይኑሉ ነበረ። ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ድማ ኻብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ብህድኣት ይነብር ነበረ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ይቕመጥ ነበረ። እቶም ዓሰርተ ኽልተ መመሓደርቲ ኽፍላተ ሃገር ነፍሲ ወከፎም ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ኣብ ማእዱ ዝቐርቡ ዅላቶምን ወወርሖም ይቕልቡ ነበሩ፤ ሓደኳ ኣየጕድሉን ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ መመሓደሪ ኸዓ ነቶም ሰረገላታት ዝስሕቡ ኣፍራስን ካልኦት ኣፍራስን ከምቲ ዝተሰርዐሉ ስገምን ሓሰርን ናብቲ ምዱብ ቦታ የምፅእ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን የመና ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኽስፈር ዘይከኣል ስፍሓት ልብን ሃቦ። ጥበብ ሰሎሞን ካብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ደቂ ግብፅን ይበልፅ ነበረ። ጥበብ ሰሎሞን ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ሰብ፥ ካብ ናይ ኤታን ኢይዝራኤላዊን፥ ካብ ናይ ሄማንን ካልኮልን ዳርዳን፥ ደቂ ማሖልን ይበልፅ ነበረ። ዝናኡ ኸዓ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ወፀ። ሰለስተ ሽሕ ምስላ መሰለ፤ ሽሕን ሓሙሽተን መዝሙራት ድማ ደረሰ። ብዛዕባ ኣእዋም ከዓ ኻብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዝግባ ኽሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዝበቍል ስምዕዛ ተዛረበ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛረበ። ካብ ኵሎም ህዝብታት ዓለም፥ በቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዅሎም ነገስታት ምድሪ ዝተልኣኹ ጥበብ ሰሎሞን ክሰምዑ ሰባት ይመፁ ነበሩ። ኪራም ንጉስ ጢሮስ፥ ብዅሉ ዘመኑ ፈታዊ ዳዊት ስለ ዝነበረ፥ ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ኽነግስ ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዐ ኸዓ፥ ናብ ሰሎሞን ልኡኻቱ ሰደደሉ። ሰሎሞን ድማ ናብ ኪራም ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ኣቦይ ዳዊት ብሰንኪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ዓወት ክሳዕ ዝህቦ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቤት ክሰርሕ ከም ዘይተኽኣሎ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዅሉ ወሰናት ሃገረይ ኣዕሪፉኒ ኣሎ፤ ዝፃረረኒ የለን፤ ዝኾነ ናይ ድንገት ነገር ድማ የለን። እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት ‘እቲ ኽንዳኻ ኣብ ዙፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፥ ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሕ እሓስብ ኣለኹ። “ሕዚ ኸዓ ኻባና ኸም ሲዶናውያን ገይሮም ምቝራፅ ኦም ዝፈልጡ ኸም ዘየለዉ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ዝግባ ኽቘርፁለይ ንኣገልገልትኻ ኣዝዝ። ኣገልገልተይውን ምስቶም ኣገልገልትኻ ይኹኑ፤ ውዕለት ኣገልገልትኻ ድማ ኸምቲ ዅሉ እትብለኒ ገይረ ኽህበካ እየ” በሎ። ኪራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዐ፥ የመና ተሓጕሱ “ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ጥበበኛ ወዲ ዝሃቦ እግዚኣብሄር ሎሚ ይመስገን” በለ። ናብ ሰሎሞን ልኢኹ ድማ “እቲ ዝለኣኽካለይ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ብዛዕባ ኣእዋም ዝግባን ብዛዕባ ኣእዋም ፅሕድን ድማ ኸምቲ ዅሉ ዝደለኻዮ ኽገብረልካ እየ። ኣገልገልተይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኸውርድዎ እዮም፤ ኣነውን ብታንኳ ገይረ ብባሕሪ እናንሳፈፍኩ ናብታ ንስኻ ዝመደብካያ ቦታ ኸብፅሖ እየ፤ ኣብኡውን ክፈትሖ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ኻብኡ ትወስዶ። ንስኻ ድማ ድልየተይ ክትገብር ኢኻ፤ ንቤተይ ቀለብ ዝኸውን ክትህበኒ ኢኻ” ኢሉ ናብ ሰሎሞን ለኣኸ። ከምኡውን ኪራም ከምቲ ድልየቱ ገይሩ ንሰሎሞን ኣእዋም ፅሕድን ኣእዋም ዝግባን ይህቦ ነበረ። ሰሎሞን ከዓ ንኪራም ዕስራ ሽሕ ኲንታል ስርናይን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ፅሩይ ዘይትን ንቤተ መንግስቱ ቐለብ ክኸውን ዓመት ዓመት ይህቦ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፥ ከምቲ ዘተስፈዎ፥ ጥበብ ሃቦ። ኣብ መንጎ ኪራምን ሰሎሞንን ከዓ ሰላም ነበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኺዳን ተኣታተዉ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኻብ ኵሉ እስራኤል ሓርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣከበ፤ ንኣዶኒራም ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ሸሞ። እናከታተለ ድማ በብወርሒ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ናብ ሊባኖስ ይሰድድ ነበረ። ሓደ ወርሒ ኣብ ሊባኖስ፥ ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ይነብሩ ነበሩ። ንጉስ ሰሎሞን ኣብ እምባ ኣእማን ዝወቕሩ ሰማንያ ሽሕ፥ ነቲ ዝተወቕረ እምኒ ዝስከሙ ኸዓ ሰብዓ ሺሕ ነበርዎ። ነዝ ስራሕ እዙይ ኣሕሉቕ ኮይኖም ዘስርሑ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰባት ድማ መደበ። ንጉስ ድማ እታ ቤተ መቕደስ ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትስ፥ ገዘፍቲ ኽቡራት ኣእማን ክዅዕቱ ኣዘዘ። ነዳቖ ሰሎሞንን ነዳቖ ኪራምን ደቂ ጌባልን ኮይኖም ከዓ፥ ንመስርሒ እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣእዋም ቈረፁ። ኣእማንውን ወቐሩ። ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፥ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ ዝነግስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት በታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ዚፍ፥ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄር ክሃንፅ ጀመረ። ንጉስ ሰሎሞን ዘስርሖ ቤት እግዚኣብሄር ምንዋሑ ዕስራን ሸውዓተን ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ትሽዓተ ሜትር፥ ቁመቱውን ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። እቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ኸምቲ ቤተ መቕደስ ትሽዓተ ሜትር ዝምግፋሑ ነበረ። ምንዋሑ ኸዓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። ነቲ ቤተ መቕደስ ድማ ብዓይኒ ርግቢ ዘይነቓነቕ መሳዅቲ ገበረሉ። ምስ መንደቕ እቲ ቤተ መቕደስ ኣፀጊዑ፥ ኣብ ዙርያ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ደብርታት ሰርሐ። እቲ ሰረገላታት ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕን እቲ ቤተ መቕደስን ከይተሓሓዝስ፥ ኣብቲ መንደቕ እቲ ቤተ መቕደስ ብደገ ዙርያኣ ሕድጋት ገበረሉ እሞ፥ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ምግፋሑ ሓሙሽተ እመት፥ እቲ ማእኸላይ ድማ ምግፋሑ ሽዱሽተ እመት፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ምግፋሑ ሸውዓተ እመት ነበረ። እቲ ቤተ መቕደስ ክስራሕ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብቲ ዝተዅዓተሉ ቦታ ብዝተወቕረ ኣእማን ስለ ዝተሰርሐ፥ ድምፂ መዶሻ ኾነ ምሳር ወይ ድምፂ ዝኾነ ኣቕሓ ሓፂን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣይተሰምዐን። ደገ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ቤት፥ ብወገን የማን እቲ ቤተ መቕደስ ነበረ፤ ናብቲ ማእኸላይን ሳልሳይን ደብሪ ድማ ብዝተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ። ስለዙይ ሰሎሞን ነቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሑ ፈፀሞ። ብገመላት ብሉሕ ዝግባን ገይሩ ኸዓ ኸደኖ። ኣብ ኵሉ ፀግዒ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቑመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሐ፤ ምስቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ብሉሕ ዝግባ ኣጋጠምዎ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ሰሎሞን መፀ፦ “ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘለኻ ቤተ መቕደስ፥ ብሕግታተይ እንተ ኼድካ፥ ስርዓታተይ ከዓ እንተ ጌርካ፥ ንዅሉ ትእዛዛተይውን እንተ ሓለኻዮ፥ እቲ ነቦኻ ዳዊት ዘተስፈኽዎ ቓለይ ምሳኻ ኸፅንዖ እየ። ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ኽነብር እየ፤ ንህዝበይ እስራኤል ከዓ ኣይሓድጎን እየ።” ሰሎሞን ድማ ነቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሑ ፈፀሞ። ንመንደቕ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ብወገን ውሽጡ ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ሰርወ ተነቢርዎ ዘሎ መንደቕ ከዓ ነቲ ውሽጢ ብዕንፀይቲ ኸደኖ። ነቲ ምድሪ ቤትውን ብሉሕ ፅሕዲ ኸደኖ። ንውሻጠ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኻብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕለዋይ መንደቕ ዕስራን ትሽዓተን ሜትር ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ፤ እዝ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ውሽጣዊ ኽፍሊ ናይቲ ቤተ መቕደስ እዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ መቕደስ ዝበሃል ክፍሊ ዓሰርተ ሸሞንተ ሜትር ነበረ። ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ከዓ ዝመዓጐ ተኽልን ዝፈኸኸ ዕምበባታትን ዝተቐርፆ ዝግባ ለበጦ። ኵሉ ዝግባ ስለ ዝነበረ ዝረአ እምኒ ኣይነበረን። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዘንብሩሉ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ኣዳለወ። እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ብውሽጡ ምንዋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ምግፋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ቁመቱውን ትሽዓተ ሜትር ነበረ፤ ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጦ፥ ነቲ መሰውኢ ድማ ብዝግባ ኸደኖ። ሰሎሞን ከዓ ነቲ ቤተ መቕደስ ብውሽጡ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ድማ ዝጋረድ ሰንሰለት ወርቂ ገበረ፥ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ብወርቂ ዝተለበጠ ነበረ። እቲ ቤተ መቕደስ ብምሉኡ ኽሳዕ ዝፍፀም ድማ፥ ንዅሉ እቲ ቤተ መቕደስ ውሽጡ ብወርቂ ለበጦ፤ ነቲ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ መሰውኢውን ብምሉኡ ብወርቂ ለበጦ። ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቶም ካብ ኣውሊዕ ዝተፀረቡ ኽልተ ኪሩቤል ገበረ። እቲ ኪሩቤል ሓሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ ኽልተ ኽንፊ ነበሮ። ካብ ጫፍ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳዕ ጫፍ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። እቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። እቶም ኪሩቤል ክልቲኦም መጠኖም ሓደ፥ ምስሎም ከዓ ሓደ ነበረ። ክልቲኦም እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቶም ነበሩ። ነቶም ኪሩቤል ከዓ ኣብ ማእኸል እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ገበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ ተዘርጊሐን ነበራ፤ ክንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ነቲ ሓደ መንደቕ ነኽኦ፤ ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከዓ ነቲ ኻልኣይ መንደቕ ነኽኦ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ቤት ድማ ኣኽናፎም ክንፊ ንኽንፊ ተራኸባ። ነቶም ኪሩቤልውን ብወርቂ ለበጦም። ንዅሉ መንደቕ እቲ ቅድስተ ቅዱሳንን መቕደስንውን ብውሽጡ ምስልታት ኪሩቤልን ዝፈኸኸ ዕምበባን ቀረፀሉ። ነቲ ምድሪ ቤት ቅድስተ ቅዱሳንን መቕደስን ድማ ብውሽጥን ብወፃእን ብወርቂ ለበጦ። ንደገ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ኻብ ኣውሊዕ ዝተፀርበ ኽልተ መዓፁ ገበረሉ። ላዕለዋይ ልዳቱ ድማ መልክዕ ቐስቲ ገይሩ ሰርሖ። ነተን ክልተ መዓፁ ኸዓ ምስሊ ኪሩቤልን ስየን ዝፈኸኸ ዕምበባን ቀረፀለን፤ ብወርቂውን ለበጠን፤ ነቲ ኪሩቤልን ነቲ ስየን ድማ ብረቂቕ ወርቂ ለበጦ። ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ካብ ኦም ኣውሊዕ ዝተፀርበ ኣርባዕተ መኣዝን ዘለዎ ልዳውቲ ገበረሉ። ካብ ኦም ፅሕዲ ኽልተ ማዕፆ ገበረሉ። ክልቲኡ እቲ መዓፁ ድማ ዝዕፀፍ ክፋል ነበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ምስሊ ኪሩቤልን ስየን ፍኹኽ ዕምበባን ቀረፀሉ። ነቲ ቕርፅታት ከዓ ማዕረ ገይሩ ብወርቂ ለበጦ። ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ኣፀድ ሰርሐ፤ ነቲ መንደቑ ሰለስተ መስርዕ ብፅሩብ እምኒ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ዝግባ ገይሩ ሰርሖ። እቲ ቤት እግዚኣብሄር፥ ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ዚፍ ተመስረተ። ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ቡል፥ እቲ ቤተ መቕደስ ብዅሉ ኽፍልታቱን ከምቲ ዝተመደበ ዅሉን ተፈፀመ። ሰሎሞን ነቲ ቤተ መቕደስ ምህናፅ ዝወድአሉ ጊዜ ሸውዓተ ዓመት ነበረ። ሰሎሞን ንቤቱ ብዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ሰሪሑ ፈፀሞ። ምንዋሑ ኣርብዓ ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሜትር፥ ቁመቱውን ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ዝኾነ ዱር ሊባኖስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ኣዳራሽ ሰርሐ። እቲ ኣዳራሽ ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕማድ ዝግባ ነበሮ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰረገላታት ድማ ፅሩብ ሰረገላታት ዝግባ ገይሩ ሰርሖ። እቲ ናሕሱ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓምዲ ዝነበረ ሰረገላታት ብዝግባ ዝተሰርሐ ናሕሲ ነበረ፤ እቲ ኣዕማድ ከዓ ኣብ ሓደ መስርዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ፥ ኣብ ሓደ መስርዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ነበረ። ኣብ ክልቲኡ መንደቕ እቲ ህንፃ ተር ዝበለ ሰሰለስተ መስርዕ መስኮት ነበሮ፤ እቲ መሳዅቲ ኸዓ መነፃፅርቲ ነበረ። ኵሉ ደገታትን ልዳውትን ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፤ እቲ ኣብ ክልቲኡ መንደቕ ዝነበረ ተር ዝበለ ሰለስተ መስርዕ መሳዅቲ ኸዓ መረኣእይቲ ነበረ። ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ፥ ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ዝምግፋሑ ብኣዕማድ ገይሩ ድማ ኣዳራሽ ሰርሐ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሓደ ገበላ፥ ኣብ ቅድሚ እዙይ ከዓ ኣዕማድን መሳልልን ነበረ። ከምኡ ኸዓ መጋባእያ ዝወፀሉ፥ ፍርዲ ዝህበሉ ኣዳራሽ ዙፋን ወይ ኣዳራሽ ፍርዲ ዝበሃል ሰርሐ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ ናሕሲ ብሉሕ ተኸዲኑ ነበረ። እታ ንሱ ዝቕመጠላ ቤት ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መካበብያ ብድሕሪ እቲ ኣዳራሽ ከምኡ ኾይና ተሰሪሓ ነበረት። ሰሎሞን ነታ ዘእተዋ ጓል ፈርዖን ከዓ ኸምዝ ኣዳራሽ እዙይ ዝበለ ቤት ሰርሐላ። እዝ ዅሉ ህንፃታትን እቲ ዓብዪ መካበብያን ካብ መሰረት ክሳዕ እቲ ላዕለዋይ ወሰን፥ በቲ ብልክዕ ዝተፀርበ፥ ብውሽጥን ብደገን ብመጋዝ ዝተቘርፀ ኽቡር ኣእማን ተሰርሐ። እቲ መሰረት ድማ ብዝኸበረ ዓበይቲ ኣእማን ተሰረተ፤ እቲ ኣእማን ከዓ ገሊኡ ዓሰርተ፥ ገሊኡ ድማ ሸሞንተ እመት ዝምንዋሑ ነበረ። ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ብልክዕ ዝተፀርበ ኽቡር ኣእማንን ሉሕ ዝግባን ነበረ። ነቲ ዓብዪ መካበብያ ድማ ብዙርያኡ ኸምቲ ናይ ውሽጢ መካበብያ ቤት እግዚኣብሄርን ከም መካበብያ ቤተ መንግስትን ሰለስተ ዙርያ ዝተፀርበ ኣእማንን ሓደ ዙርያ ዝተፀርበ ሉሕ ዝግባን ነበሮ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንኪራም ካብ ጢሮስ ኣምፅኦ። ንሱ ኻብ ሓንቲ መበለት ካብ ነገድ ንፍታሌም ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወልደ ነበረ። ኣቦኡ ኸዓ በዓል ጢሮስ፥ ኣንጠረኛ ነሃስ ነበረ። ንሱ ድማ ዅሉ ስራሕ ነሃስ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መፂኡ ኸዓ፥ ኵሉ ስራሕ ሰርሐሉ። ኪራም ቁመቱ ዓሰርተ ሸሞንተ እመት ዝኾነ ኽልተ ዓምዲ ነሃስ ሰርሐ። መጠን ዙርያኡ ድማ ዓሰርተ ኽልተ እመት ነበረ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕማድ ዝቕመጥ ድማ ኻብ ዝፈሰሰ ነሃስ ኽልተ ጕልላት ሰርሐ። ቁመት እቲ ሓደ ጕልላት ሓሙሽተ እመት፥ ቁመት እቲ ኻልኣይ ጕልላትውን ሓሙሽተ እመት ነበረ። ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዝነበረ ጕልላት ድማ ኸም ስርሓት መንፊት ዝበለ ዓይኒ ርግብን ከም ስርሓት ሰንሰለት ዝበለ ትንጎን ነበሮ። ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዝነበረ ጕልላት ክኸድን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይኒ ርግቢ፥ ክልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፤ ነቲ ኻልኣይ ጕልላትውን ከምኡ ገበሮ። እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዝነበረ ጕልላት ከዓ ኸም ዕምበባ ሱፍ መሲሉ ዝተሰርሐ፥ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕማድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይኒ ርግቢ ዘሎ ዅዕሶ ዝመስል ጕልላት፥ ኣብ ዙርያኡ ብመስርዕ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ። ነቲ ኣዕማድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቖሞ። ነቲ የማናይ ዓምዲ ተኺሉ ያቁም ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀጋማይ ዓምዲ ተኺሉ ድማ በለዝ ኢሉ ሰመዮ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕማድ ከዓ ኸም ዕምበባ ሱፍ ዝመስል ስርሓት ነበረ። በዝ ኸምዙይ ስራሕ ኣዕማድ ተፈፀመ። ብዝፈሰሰ ነሃስ ገይሩ ኸዓ ኸቢብ መዕቘሪ ማይ ሰርሐ፤ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ሰንጣቒቱ ዓሰርተ እመት፥ ዙርያኡ ኸዓ ሰላሳ እመት፥ ዕምቈቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረ። ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ናይ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ክልተ መስርዕ ገይፂ ገበረሉ። ኣብ ሓሓንቲ እመት ዓሰርተ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ነበረ። እዙይ ድማ ብሓደ ፈሲሱ ምስኡ ዝተሰርሐ ነበረ። ነቲ መዕቘሪ ማይ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ብነሃስ ዝተሰርሑ ኣብዑር ኣንበሮ። እቶም ኣብዑር ሰለስተ ንሰሜን ገፆም፥ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገፆም፥ ሰለስተ ኸዓ ንደቡብ ገፆም፥ ሰለስተውን ንምብራቕ ገፆም ይጥምቱ ነበሩ። ከንፈር እቲ መዕቘሪ ማይ ምርጓዱ ጋት ነበረ፤ ኣሰራርሓኡ ድማ ኸም ፅዋዕ፥ ከም ዝዓምበበ ዕምበባ ተኸርኪሙ ነበረ። ኣርብዓ ሽሕ ሊትሮ ከዓ ይሕዝ ነበረ። ብነሃስ ገይሩ ኸዓ መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑ ገበረ፤ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ኣርባዕተ እመት፥ ቁመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ። እቲ መቐመጢ ኣቑሑ ድማ በርባዕተ መኣዝን ተገጣጢሙ ዝተሰርሐ ነበረ። ኣብ መንጎ እቲ መጋጠሚ ድማ ምስሊ ኣናብስን፥ ኣብዑርን፥ ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ላዕላዩ ኸዓ ኸምኡ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቶም ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ኸም ትንጎ ዝተገብረ ቘፅሊ ተንጠልጢሉ ነበረ። ነንሓደ መቐመጢ ኣቕሓ ኸዓ ኣርባዕተ መንኰራዅር ነሃስ፥ ንእኡ ዝሕዝ ኣርዑት ነሃስ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸዓ መንኰራዅር ነበሮ፤ እቲ መንኰራዅር ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትንጎ ቘፅሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ። እቲ ገበራ ዝተኸብሰ ኸቢብ ከንፈር ነበሮ። ካብቲ መቐመጢ ኣቕሓ ንላዕሊ ፍርቂ እመት፥ ንታሕቲ ድማ ስድሪ ዝኣተወ ነበረ። ብዙርያኡ ኸዓ ገይፂ ነበሮ። እቲ ኣርባዕተ መንኰራዅር ድማ ምስቲ መገጣጠሚ ብሓደ ለጊቡ ዝተሰርሐ ነበረ፤ ነናይ ሓደ መንኰራዅር ቁመትውን እመትን ስድርን ነበረ። ስርሓት እቲ መንኰራዅር ድማ ኸም ስርሓት መንኰራኵር ሰረገላ ነበረ፤ መትሓዚኡን ተሽከርካሪኡን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኵሉ ብ ዝፈሰሰ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ። ነንሓደ መቐመጢ ኣቕሓ ኸዓ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ምስኡ ፈሲሱ ዝተሰርሐ ኣርባዕተ መንኰራዅር ነበሮ። ኣብ ርእሲ እቲ መቐመጢ ኣቕሓ ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቑመቱ ምሉእ ዘንጊ ነበሮ፤ እቲ መደገፊኡን እቲ መገጣጠሚኡን ፈሲሱ ምስኡ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ። ኣብ ገፅ እቲ መደገፊኡን መገጣጠሚኡን ኣብቲ ስፍራ ዝረኸበሉ ብዙርያኡ ምስሊ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ትንጎ ቘፅልን ቀረፀሉ። ከምዙይ ገይሩ ዓሰርተ መቐመጢ፥ ምፍሳሱ ሓደ፥ ልክዑ ሓደ፥ መልክዑ ሓደ ገይሩ ሰርሖ። ኣብተን ዓሰርተ መቐመጢ ኣቑሑ ዝኾና ዓሰርተ ገበራታት ነሃስ ሰርሐ፤ ሓደ ገበራ ሸሞንተ ሚእቲ ሊትሮ ይሕዝ፤ ሰንጣቒቱ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ነቲ መቐመጢ ኣቑሑ ድማ ሓሙሽተ ብወገን ደቡብ፥ ሓሙሽተ ኸዓ ብወገን ሰሜን፥ ነቲ ጋብላ ድማ ብወገን ደቡብ ምብራቕ ናይታ ቤተ መቕደስ ኣንበሮ። በዝ ኸምዙይ ፈፀሞ፤ ዘጊፃ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ፥ ነንሓደ ዓይኒ ርግቢ ኽልተ ዙርያ ሮማን ገበረ።) ዓሰርተ መቐመጢ ኣቑሑ፥ ዓሰርተ ገበራ፥ ሓደ ጋብላ፥ ነቲ ጋብላ ዝፆሩ ዓሰርተ ኽልተ ብዕራይ፥ እዝ ዅሉ ኪራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብፅሩይ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ። እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ፃርታን፥ ኣብ ድዃ መሬት ሰርሖ። ኵሉ እቲ ኣቑሑ ነሃስ የመና ብዙሕ ስለ ዝነበረ ሰሎሞን እንተይመዘነ ሓደጎ፤ ሚዛን ናይቲ ኣቑሑ ኸዓ ኣይተፈልጠን። ሕብስቲ ቝርባን ዝቕመጠሉ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሰደቓ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ዕምበባታትን ቅልዒ ቐናዲልን መሳወሪኡን፥ መዓፁን፥ ወንዲ ወንዶታትን ኣስርሐ። ንጉስ ሰሎሞን፥ ቤት እግዚኣብሄር ሓኒፁ ምስ ወድአ፥ ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝወፈዮ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑን ኣምፂኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሰሎሞን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ዘለዎ ናብ ኢየሩሳሌም ከደይብዎ ኣከቦም። ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ወርሒ ኤታኒም ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተኣከቡ። ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መፁ ኸዓ፥ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዅሉ ንዋየ ቅድሳትን፥ ናብቲ ቤተ መቕደስ ኣደየብዎ። ንጉስ ሰሎሞንን ኵሎም እቶም ናብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቂ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኮይኖም፥ ካብ ምብዛሐን ዝተልዓለ ኽቝፀራ ዘይኽእላ ኣባጊዕን ከፍትን ሰውኡ። እቶም ካህናት ድማ፥ ነቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፥ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። እቶም ኪሩቤል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዝነበሮ ኣኽናፎም ዘርጊሖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ታቦትን ነቲ መፃውሩን ከደንዎ። እቲ መፃውሩ ነዊሕ ስለ ዝነበረ፥ ጫፉ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ መቕደስ ኴንካ ይረአ ነበረ፤ ብወፃኢ ግና ኣይረአን ነበረ፤ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣለዉ። ኣብቲ ውሽጢ ታቦት ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ዝኣተወሉ ጊዜ፥ ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ኮሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ፅላት እምኒ ሓደኳ ኣይነበረን። እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወፁ፥ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደመና መልኦ። ነቲ ቤተ መቕደስ ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ ግና፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን። ሽዑ ሰሎሞን “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፀሊም ደመና ኸም እትነብር ተዛሪብካ ኢኻ። ኣነ ኸዓ ንስኻ እትነብረሉ ቤት፥ ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግፅ ሃኒፀልካ ኣለኹ” በለ። እቲ ኵሉ ጉባኤ እስራኤል ደው ኢሉ እንተሎ፥ እቲ ንጉስ ገፁ መሊሱ ነቲ ጉባኤ እስራኤል ባረኾ። ከምዙይ ድማ በለ፦ “ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤተ መቕደስ እትስርሐላ ኸተማ ኣይሓረኹን። ሕዚ ግና ስመይ ኣብኡ ክኸውን ንኢየሩሳሌም መሪፀ ኣለኹ፤ ንዳዊትውን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ክኸውን መሪፀዮ ኣለኹ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ዝተዛረቦ፥ ብኢዱ ኸዓ ዝፈፀሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን። “ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ክሰርሐሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ። እግዚኣብሄርውን ነቦይ ዳዊት ‘ንስመይ ቤተ መቕደስ ክትሰርሕ ብልብኻ ብምሕሳብካ ፅቡቕ ገበርካ። ግና እቲ ኻብ ሕቘኻ ዝውፅእ ወድኻ እዩ ንስመይ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐለይ እምበር ንስኻ ኣይኮንካን ቤተ መቕደስ እትሰርሐለይ’ በሎ። “እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዝተዛረቦ ቓል ኣፅንዖ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ፥ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተልዓልኩ፤ ኣብ ዙፋን እስራኤልውን ተቐመጥኩ፤ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ቤተ መቕደስ ሰሪሐ ኣለኹ። ኣብኡ ድማ፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፅኦም ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ዘለዎ ታቦት ዝኸውን ስፍራ ኣዳለኹ።” ሰሎሞን ከዓ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቆይሙ፥ ኵሎም ጉባኤ እስራኤል እናረአዩ፥ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ። ከምዙይውን በለ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ነቶም ብምሉእ ልቦም ብትእዛዝካ ንዝኸዱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ እውን ኣብ ታሕቲ ንኣኻ ዝመስል ኣምላኽ የለን። እቲ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፥ ዝተዛረብካዮ ሓለኻዮ፤ ነቲ ብኣፍካ ዝተዛረብካዮ፥ ከምዝ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ፥ ብኢድካ ፈፀምካዮ። “ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት ‘ከምቲ ንስኻ ብትእዛዛተይ ዝነበርካ፥ ደቅኻ ኸዓ ብትእዛዛተይ እንተ ነበሩ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ኢልካ ዝተዛረብካዮ ሓሉ። ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽ እስራኤል፥ በይዛኻ፥ እቲ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት፥ ዝተናገርካዮ ቓል ይፅናዕ። “ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ምስ ሰብ ይነብር እዩ? እንሆ ሰማይን ኣብ ልዕሊ ሰማይ ዘለዉ ሰማያትን ክፆሩኻ ኣይኽእሉን እዮም። እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስ ደኣ ኽንደይ ዘይትንእስ? ግና ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ናብ ፀሎት ባርያኻን ምህለላኡን ተመልከት፤ እወ፥ ነዝ ኣነ ባርያኻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘቕርቦ ዘለኹ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ። ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፥ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልካያ ቦታ፥ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይጠምታ። ነቲ ኣነ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልዮ ፀሎትውን ስማዕ። ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስማዕ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል። “ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ እሞ፥ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ኸዓ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኽምሕል እንተ መፀ፥ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ድማ ኸም ፅድቁ ኽፈሎ። “ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ምስ ተስዓሩ እሞ፥ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ፀለዩን እንተ ተማህለሉን፥ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ይቕረ በል፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብካያ ምድሪ ድማ ምለሶም። “ንኣኻ ብምብዳሎም ሰማይ እንተ ተዓፅወ፥ ዝናምውን እንተ ዘይዘነመ መከራ ስለ ዘፅናዕኻሎም፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተ ፀለዩ ንስምካውን እንተኽበሩ፥ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸዱላ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፥ ሓጢኣት ባሮትካን ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ዝናም ሃብ። “ኣብ ምድሪ ጥሜት እንተ ኾነ፥ ወይ ፌራ እንተ ኾነ፥ ዋግ ወይ ሃጒ ወይ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ ኾነ፥ ወይ ፀላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፥ ወይ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መፀሞ፥ ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሕማም ልቡ ተፈሊጥዎ ብፀሎትን ብምህለላን ኣእዳዉ ናብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ፤ ይቕረ ኸዓ በል፤ ርድኣዮውን፤ ንልቢ ዅሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ምእንቲ ኽፈርሑኻስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፥ ከከም መንገዱ ኽፈሎን ሃቦን። “ብዛዕባ እዝ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ ሓይልኻን ዝገበርካዮ ዓበይቲ ተኣምራትን ክሰምዑ እዮም እሞ፥ ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኮነ ጓና ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር መፂኡ፥ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ እንተ ፀለየ፥ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሑኻ፥ እዛ ዝሰራሕኽዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ብስምካ ኸም ዝተሰምየት ክፈልጡስ፥ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፤ ነቲ ጓና ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ዝለመነካ ግበረሉ። “ንህዝብኻ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ፀላእቶም ወፂኦም ክዋግኡ እንተ ኣዘዝካዮም እሞ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም ናባኻ ናብ እግዚኣብሄር እንተ ፀለዩ፥ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍትሒ ግበረሎም። “ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የለን እሞ፥ ህዝብኻ እንተ በደሉኻ፥ ንስኻ ድማ ተቘጢዕኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም እሞ፥ ናብ ርሑቕ ኮነ ወይ ናብ ቀረባ ናብ ሃገር ፀላኢ ተማሪኾም እንተ ኸዱ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ሃገር ኮይኖም ብልቦም እንተ ተናስሑ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ዘለዉ ሃገር ኮይኖም ከዓ መሊሶም ‘ሓጢኣት ጌርና ኢና፥ በዲልና ኢና፥ ክፉእ ጌርና ኢና’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፥ ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥ ሽዑ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ቦታ ዄንካ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍርዲ ግበረሎም። ነቶም ዝበደሉኻ፥ ኣብ ቅድሜኻ በደል ዝገበሩ ህዝብኻ ዅሉ በደሎም ይቕረ በለሎም፤ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ኽገብሩሎም ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማረኽቶም ምሕረት ሃቦም። ንሳቶም ካብ ግብፂ ኻብቲ እቶን ሓፂን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ። “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብፂ ክተውፅኦም እንተለኻ ብባርያኻ ሙሴ ዝተዛረብካዮ፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ክኾኑ፥ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፥ ናባኻ ብዝፅውዕዎ ዅሉ ኽትሰምዖም፥ ኣዒንትኻ ናብ ምህለላ ባርያኻን ናብ ምህለላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ።” ሰሎሞን ነዝ ናብ እግዚኣብሄር ዘቕረቦ ፀሎትን ምህለላን ምስ ወድአ፥ ካብ ቅድሚ እቲ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ፥ ካብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተስአ፤ ደው ኢሉ ኸዓ ንዅሉ ጉባኤ እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዙይ ኢሉ ባረኾም፦ “ከምቲ ዅሉ ዝተዛረቦ ተስፋ፥ ንህዝቢ እስራኤል ዕረፍቲ ዝሃበ እግዚኣብሄር ይመስገን፤ ካብቲ ዅሉ ብሙሴ ባርያኡ ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ዘይተፈፀመ ነገር የለን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፥ ምሳና ይኹን፤ ኣይሕደገናን ኣይደርብየናንውን። እቲ ነቦታትና ዝኣዘዞም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ስርዓታቱን ክንሕሉ፥ ብዅሉ መንገድታቱ ኽንከይድ፥ ንእኡውን ክንእዘዝ ንልብና ናብኡ የዘንብሎ። እቲ ንኣይ ንባርያኡን ንህዝቡ እስራኤልን ነንዕለቱ ዘድሊ ምሕረት ምእንቲ ኽገብረልና፥ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ እዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተማህለልክዎ ፀሎት፥ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይብፃሕ። ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ እትገብርዎ ዘለኹም፥ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ክትሕልዉ፥ ልብኹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፍፁም ይኹን።” እቲ ንጉስን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሰውኡ። ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዝስዋእ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይን፥ ሚእትን ዕስራን ሽሕ በጊዕን ኣቕረበ። ከምዙይ ገይሮም ከዓ ንጉስን ኵሎም እስራኤልን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዘሎ ማእኸላይ ኣፀድ ባረኾ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ነሃስ ስለ ዝነኣሰ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ሰውኦ። በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን፥ ካብ መእተዊ ሓማት ጀሚሩ ኽሳዕ ሩባ ግብፂ ዘሎ ዓብዪ ጉባኤ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሸውዓተ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ፥ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፤ ንሳቶም ከዓ ንንጉስ መረቕዎ፤ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ደስ ኢልዎም ብሕጉስ ልቢ ነናብ ገዛኦም ተመለሱ። ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን፥ ነቲ ኹሉ ሰሎሞን ክሰርሖ ብልቡ ዝተመነዮን ሰሪሑ ምስ ፈፀመ፥ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ገባዖን ንሰሎሞን ዝተገለፀሉ፥ ንኻልኣይ ጊዜ ተገለፀሉ። እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “እቲ ኣብ ቅድመይ ዝተማህለልካዮ ፀሎትካን ምህለላኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ነዛ ዝሰራሕኻያ ቤተ መቕደስ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ። ኣዒንተይን ልበይን ከዓ ንሓዋሩ ኣብኣ ኽነብራ እየን። “ንስኻ ድማ፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፥ ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ከዓ ኽትሕሉ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንፅህና ልብን ብቕንዕናን ዝነበረ፥ ኣብ ቅድመይ እንተ ነበርካ፥ ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት ‘ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ዝበልክዎ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዖ እየ። ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካባይ ከዲዕኹም ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ከዓ እንተ ዘይሓሊኹም፥ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥ ሽዑ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ኻብ ቅድሚ ገፀይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መተረትን ክትከውን እያ። እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ድማ፥ የመና እኳ ልዕል ልዕል እንተበለት፥ ብኣኣ ዝሓልፉ፥ ብኣኣ ኽግረሙን ‘ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣንስ ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገበረን?’ ክብሉ እዮም፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝተቐበሉን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎምን፥ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ኽፉእ ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።” ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፥ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን፥ ብዕስራ ዓመት ሰሪሑ ፈፀመን። ኪራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ክንዲ ዝደለዮ ኦም ዝግባን ኦም ፅሕድን ክንዲ ዝደለዮ ወርቅን ዝደለዮ ዅሉን ሂቡዎ ነበረ፤ ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንኪራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሃቦ። ኪራም ከዓ ነተን ሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ክሪአን፥ ካብ ጢሮስ ወፀ፤ ግና ደስ ኣይበላኦን፤ “ሓወይ፥ እዘን ዝሃብካንስ እንታይ ዝኸተማአን እየን” ድማ በለ። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝስመያኦ ዘለዋ ኸዓ፥ ምድሪ ከቡል ኢሉ ሰመየን። ኪራም ድማ ንንጉስ ሰሎሞን ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ሰደደሉ። ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስቱን ሚሎንን መካበብያ ኢየሩሳሌምን ሓፆርን መጊዶን ጌዝርን ዝሰርሑ ወገናት መልሚሉ ነበረ። ጌዝር፥ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ደዪቡ ዝሓዛ፥ ብሓዊ ኣቃፂሉ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነዓናውያን ከዓ ቐቲሉ፥ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን ኣግዚምዋ ዝነበረት ከተማ እያ። ሰሎሞን ከዓ መሊሱ ሰርሓ። ከምኡውን በቶም ተገዲዶም ዝሰርሑ ንታሕተዋይ ቤት ሓሮንን፥ ንባዕላትን ነታ ኣብ ምድረ በዳ ይሁዳ ዘላ ተድሞርን፥ ንዅለን እተን ሰሎሞን ስንቂ ኣኪቡለን ዝነበረ ኸተማታት መዛግብትን፥ ከተማታት ሰረገላታትን ከተማታት ፈረሰኛታትን፥ ነቲ ኸም ድሌቱ ገይሩ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ሃገር ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለየ ሰርሐ። ሰሎሞን ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ሃዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ፥ ኵሎም ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ህዝቢ፥ ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ከጥፍእዎም ዘይከኣሉ፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ተገዲዶም ዝሰርሑ ባሮት ገበሮም። ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን መመሓደርትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን። እዚኣቶም ነቶም ኣብ ስራሕ ሰሎሞን ዝሰርሑ ህዝቢ ዝእዝዙ ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም። ጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሐላ ቤታ መፀት፤ ሽዑ ሰሎሞን ንሚሎን ሰርሐ። ንጉስ ሰሎሞን ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፥ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔፅዮንጋብር መራኽብ ሰርሐ። ኪራም ድማ ኣብተን መራኽብ ምስ ኣገልገልቲ ሰሎሞን ዝሰርሑ ናይ ባሕሪ ነገር ዝፈልጡ መርከበኛታት ኣገልገልቱ ሰደደ። ናብ ኦፊር ከይዶም ከዓ ኻብኣ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሰዱ፤ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምፅእዎ። ንግስቲ ሳባ ድማ፥ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝወፀሉ ዝና ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፥ ብሕንቅሕንቅሊተይ ክትፍትኖ መፀት። ክትመፅእ እንተላ ኸዓ ምስ ብዙሕ ጕዕዞ፥ ቀመማት ዝተፅዓና ኣግማልን ሰረገላታትን የመና ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ኣፅዒና ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ኣፃወተቶ። ሰሎሞን ከዓ ንዅሉ ጥያቐኣ መለሰላ፤ ክምልሰላ ዘይከኣለ ኻብኡ ዝተሰወረ ነገር ድማ ኣይነበረን። ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እቲ ዝሰርሖ ቤተ መንግስትን ምስ ረአየት፥ መብልዕ ማእዱን ኣቀማምጣ ሹመኛታቱን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኣቶምን ንኣሰለፍቲ ወይንን፥ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘቕርቦ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ምስ ረአየት፥ ውኖኣ ተመሰጠ። ንንጉስ ከዓ “እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕኽዎ ነገር ሓቂ እዩ። መፂአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝሪኦ ግና ነቲ ዘረባ ኣይኣምኖን ነበርኩ፤ እንተ ኾነ ፍርቂ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ብወረ ዝሰማዕኽዎ ዝበዝሕ ጥበብን ሃብትን ኣለካ። እዞም ሰብካ ኽንደይ ተዓዲሎም! እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዝሰምዑ ኣገልገልትኻ ብፁኣን እዮም! እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ። [እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምፅኣ መራኽብ ኪራም ከዓ የመና ብዙሕ ዕንፀይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምፅኣ ነበራ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ዕንፀይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ዝኸውን መጋረዲታት፥ ንመዘምራን ዝኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕንፀቲ ሰንደል ኣይመፀን፤ ከምኡውን ኣይተርኣየን።] ብዘይ እቲ ንጉስ ሰሎሞን ከም ልማድ ንጉስ ብልግሲ ዝሃባ፥ ንጉስ ሰሎሞን ንንግስቲ ሳባ ዅሉ ዝደለየቶ ሃባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ኣገልገልታ ናብ ሃገራ ተመለሰት። ብዘይ እቲ ግብሪ ዘገብሩ ሰባትን ነጋዶን ነገስታት ዓረብን ኵሎም ሹመኛታት ምድርን ካብ ዘምፅእዎ፥ ካልእ በብዓመቱ ንሰሎሞን ዝመፀሉ ወርቂ፥ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነበረ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኽልተ ሚእቲ ዋልታታት ሰርሐ፤ ነንሓደ ዋልታ ዳርጋ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣናእሽቱ ዋልታታት ሰርሐ፤ ነንሓደ ዋልታ ድማ ዳርጋ ኽልተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ዱር ሊባኖስ እትብሃል ኣዳራሽ ኣንበሮ። ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ገይሩ ዓብዪ ዙፋን ኣስርሐ፤ ብፅሩይ ወርቂውን ለበጦ። እቲ ዙፋን ሽዱሽተ መደያይቦ ነበሮ፤ ርእሲ እቲ ዙፋን ከዓ ብወገን ድሕሪት ከቢብ ነበረ። እቲ ኾፍ መበሊ ድማ ብኽልቲኡ ወገን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጐኒ እቲ መደገፊ ኣእዳው ከዓ ኽልተ ምስልታት ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ። ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ኣብ ኵለን መንግስታት ኣይተገብረን። ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ብወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ኵሉ ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ዝበሃል ኣዳራሽ ዝነበረ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ፈፂሙ ኣይቝፀርን ነበረሞ፥ ብብሩር ዝተገብረ ኣቕሓ ኣይነበረን። ንጉስ ሰሎሞን ምስ ንጉስ ኪራም ኣብ ባሕሪ፥ መራኽብ ንግዲ ነበራኦ እሞ፥ እተን መራኽብ ንግዲ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳዕ ይመፃ ነበራ። በዝ ኸምዙይ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዝዓበየ ነበረ። ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ጥበብ ክሰምዕ፥ ገፅ ሰሎሞን ክርኢ ብዓለሙ ይምነ ነበረ። በብዓመቱ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣፅዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ገፀ በረኸት ሒዙ ድማ ይመፅእ ነበረ። እቲ ንጉስ ከዓ ንብሩር ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ዝበዝሕ ገበሮ፤ ንዝግባውን ምብዛሑ ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ገበሮ። እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ኻብ ግብፅን ካብ ቂልቅያን በቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ተዓዲጎም ዝመፁ ነበሩ። ሓደ ሰረገላ ኻብ ግብፂ ብሽዱሽተ ሚእቲ ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከዓ ብሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ንዅሎም ነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ኸምኡ እናገበሩ በእዳዎም የምፅኡሎም ነበሩ። ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ጓል ፈርዖን ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፥ ሞኣባውያን፥ ኣሞናውያን፥ ኤዶማውያን፥ ሲዶናውያን፥ ኬጢያውያን ፈተወ። እዚኣተን ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ “ንሳቶም ንልብኹም ብርግፅ ናብ ኣማልኽቶም ከዘንብልዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ናብኣቶም ኣይትኪዱ፥ ንሳቶምውን ናባኻትኩም ኣይምፅኡ” ምስ ዝበሎም ኣህዛብ፥ ሰሎሞን ብፍቕረን ተትሓዘ። ሸውዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱውን ንልቡ ኣዘንበላኦ። ሰሎሞን እናኣረገ ምስ ከደ እተን ኣንስቱ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምልኽ ንልቡ ኣዘንበላኦ፤ ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ከም ዝነበረ ልቢ ሰሎሞን ከምኡ ኣይነበረን። ሰሎሞን ድማ ንኣምላኽ ሲዶናውያን ንኣስታሮትን፥ ንርዅሰት ኣሞናውያን ንሚልኮምን ተኸተለ። ስለዙይ ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ከም ኣቦኡ ዳዊትውን ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ብምኽታል ፍፁም ኣይኮነን። ሽዑ ሰሎሞን ንርዅሰት ሞኣብ ንካሞሽ ንርዅሰት ደቂ ኣሞን ንሞሎኽ መስገዲ ዝኸውን ኣብ መንፅር ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ዀረብታ ሰርሐ። ንዅለን እተን ጓኖት ኣንስቱ ኸምኡ ሰርሐለን፤ ንሳተን ከዓ ንኣማልኽተን ይዓጥናን ይስውኣን ነበራ። ካብቲ ኽልተ ሻዕ ዝተገለፀሉ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ልቡ ስለ ዘርሓቐ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ተቘጥዐ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኽ ኣዚዝዎ እንተ ነበረ እኳ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኣይሓለዎን። ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዘይሓለኻዮ፥ ነዛ መንግስቲ ብርግፅ ካባኻ መቒለ ንሓሽከርካ ኽህቦ እየ በሎ። እዙይ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን እየ፤ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ወድኻ እየ ዝወስዳ። ግና ነታ መንግስቲ ኹላ ኣይመቕላን እየ፤ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶምያስ ንዝኾነ ሰብ ንሃዳድ ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ፀላኢ ገይሩ ኣተስኦ። ዳዊት ንኤዶምያስ ምስ ሰዓራ፥ ኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊቱ ነቶም ቅቱላት ክቐብር ከይዱ ነበረ። ንዅሉ ኣብ ኤዶምያስ ዝነበረ ተባዕታይ ከዓ ቐተሎ። ኢዮኣብን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ንዅሉ ኣብ ኤዶምያስ ዝነበረ ተባዕታይ ክሳዕ ዘጥፍኡ፥ ኣብኡ ሽዱሽተ ወርሒ ተቐመጡ። ሃዳድ ግና ምስ ውሑዳት ኤዶማውያን ኣገልገልቲ ኣቦኡ ኾይኑ ናብ ግብፂ ሃዲሙ ኸደ፤ ሃዳድ ሽዑ ንእሽተይ ቘልዓ ነበረ። ንሳቶም ካብ ምድያም ተልዒሎም ከዓ ናብ ፋራን ከዱ፤ ካብ ፋራን ድማ ምስኣቶም ሰባት ወሲዶም ናብ ግብፂ ናብ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኸዱ፤ ንሱ ኸዓ ቤት ሃቦ፤ ቀለብውን ኣዘዘሉ፤ ምድሪ ድማ ሃቦ። ሃዳድ ከዓ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፤ ንሱ ድማ ሓፍቲ ሰበይቱ፥ ሓፍቲ ንግስቲ ቴቄምናስ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። እዛ ሓፍቲ ቴቄምናስ ከዓ ጌንባት ዝበሃል ወዲ ወለደትሉ። ንግስቲ ቴቄምናስ ድማ ኣብ ቤት ፈርዖን ኣዕበየቶ፤ ጌንባት ከዓ ኣብ ቤት ፈርዖን ኣብ ማእኸል ደቂ ፈርዖን ዓበየ። ሃዳድ ድማ ኣብ ግብፂ እንተሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፥ ኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፥ ምስ ሰምዐ፥ ንፈርዖን “ናብ ሃገረይ ክኸይድስ ኣሰናብተኒ” በሎ። ፈርዖን ግና “ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እትደልስ፥ ምሳይ እንተለኻ እንታይዶ ጐዲሉካ እዩ?” በሎ። ሃዳድ ከዓ “ሓደ እኳ ኣይጐደለንን፤ ግና ክኸይድ ኣሰናብተኒ ደኣ” በሎ። ሃዳድ ድማ ናብ ሃገሩ ተመለሰ። ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ነገር እዙይ እዩ፤ ንእስራኤል ኣጨነቖም፤ ኣብ ኤዶምያስውን ነገሰ። ኣምላኽ ድማ ኻልእ ንሰሎሞን ዝፃረር ንሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተስአሉ። ንሱ እቲ ኻብ ጐይታኡ ኻብ ኣድርኣዛር ንጉስ ሱባ ዝሃደመ ነበረ። ሬዞን በታ ዳዊት ንሰብ ሱባ ዝቐተለላ ጊዜ፥ ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ሽፍታ ኾነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ከዓ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ድማ ኣንገስዎ። ንሱ ድማ ኸምቲ ናይ ሃዳድ ክፉእ እናገበረ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ፀረ እስራኤል ኮይኑ ነበረ። ንእስራኤል ድማ ይፅየፎ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸዓ ነገሰ። ከምኡውን ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ በዓል ሳሪራ፥ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ከድዐ። ንሱ ወዲ ሓንቲ ፅሩዓ እትብሃል መበለት ነበረ። እቲ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዝገበሮ ዓመፅ ምኽንያቱ ኸምዙይ እዩ፦ ሰሎሞን ነቲ ሚሎን ሰርሖ፤ ነቲ ዝፈረሰ መካበብያ ኸተማ ኣቦኡ ዳዊት እውን ፀገኖ። ኢዮርብዓም ድማ ፅኑዕ ሓያል ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከዓ እቲ ጐበዝ ትጉህ ሰራሕተኛ ኸም ዝኾነ ሪኡ፥ ኣብ ልዕሊ ስራሕ እቶም ነገድ ዮሴፍ ሸሞ። ኮነ ድማ፥ ኢዮርብዓም ካብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ ነቢይ ኣኪያ በዓል ሴሎ ኸዓ ኣብ መንገዲ ረኸቦ። ኣኪያ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲኦም ከዓ ንበይናቶም ኣብ ሜዳ ነበሩ። ኣኪያ ኸዓ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ኽፍሊ ቘራረፆ። ንኢዮርብዓም ከዓ “ዓሰርተ ቝራፅ ንኣኻ ውሰድ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክወስዳ እየ፤ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ። ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን። እዙይ ከዓ ንኣይ ሓዲጉ ንኣስታሮት፥ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፥ ንካሞሽ ኣምላኽ ሞኣብ፥ ንሞሎክ ኣምላኽ ደቂ ኣሞን ስለ ዝሰገደ፥ ከም ዳዊት ኣቦኡ ገይሩ ኸዓ እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝኾነን እቲ ሕግታተይን ትእዛዛተይን ክገብር ብመንገደይ ስለ ዘይከደ እዩ። ግና ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕግታተይን ዝሓለወ ባዕለይ ዝሓረኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ደኣ ንጉስ እገብሮ እምበር፥ ነታ መንግስቲ ብዅላ ኻብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ። ግና ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ወዱ ኽወስዳ እየ፤ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ። ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኽስመ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ንባርያይ ዳዊት ኵሉ ዘመን ኣብ ቅድመይ መብራህቲ ክኾነሉ፥ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። ንኣኻ ድማ ክወስደካ እየ፤ ነፍስኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፈተወቶ ኽትነግስ እያ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ንጉስ ክትከውን ኢኻ። ኵሉ ዝኣዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰሚዕኻ ብመንገደይ ከዓ እንተ ኼድካ፥ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝኾነ እንተ ጌርካ፥ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸዓ ትእዛዛተይን ሕግታተይን እንተ ሓሊኻ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኹሉ፥ ንኣኻውን ፅንዕቲ ቤት ክሰርሐልካ እየ። ንእስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ፤ ስለዙይ ንዘርኢ ዳዊት ከጨንቖ እየ፤ ግና ንዅሉ ዘመን ኣይኮነን’ ” በሎ። ስለዙይ ሰሎሞን ንኢዮርብዓም ክቐትሎ ደለየ፤ ኢዮርብዓም ግና ተሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ሃደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከዓ ኣብ ግብፂ ተቐመጠ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገርን፥ እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጥበቡን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ሰሎሞን ተፅሒፉ ኣሎ። ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሮብዓም ነገሰ። ሮብዓም ናብ ሴኬም ከደ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ኸንግስዎ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ። ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ (ንሱ ኻብ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ኣብ ግብፂ ይቕመጥ ነበረ)። ልኢኾም ድማ ፀውዕዎ። ሽዑ ኢዮርብዓምን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን መፂኦም ንሮብዓም፥ “ኣቦኻ ኸቢድ ኣርዑት ኣንበረልና፤ ሕዚ ግና ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑትን ኣቕልለልና፤ ንሕናውን ክንግዘአልካ ኢና” ኢሎም ተዛረብዎ። ንሱ ድማ “ኪዱ እሞ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸዱ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ እንተሎ ዘማኽርዎ ዝነበሩ ዓበይቲ “ነዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ክምልሰሉ ትመኽሩኒ?” ኢሉ ተማኸረ። ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሎሚ ሓሽከር እንተ ዄንካዮም፥ እንተ ኣገልጊልካዮም፥ ምላሽ ድማ እንተ ሂብካዮም፥ ፅቡቕ ቃልውን እንተ ተዛሪብካዮም፥ ንሳቶም ንሓዋሩ ኣገልገልቲ ክኾኑኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፥ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩን ኣብ ቅድሚኡ ይቖሙ ዝነበሩ መናእሰይን ተማኸረ። “ነዞም ‘እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና’ ዝብሉኒ ዘለዉ ህዝቢ እዚኣቶም እንታይ ክምልሰሎም ተማኽሩኒ?” ድማ በሎም። እቶም ምስኡ ዝዓበዩ መናእሰይ ከዓ፥ “ነዞም ‘ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ እሞ፥ ንስኻ ኣቕልለልና’ ኢሎም ዝተዛረቡኻ ህዝቢ ‘እዛ ንእሽተይ ኣፃብዕተይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ። ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም ነገርዎ። ከምቲ እቲ ንጉስ “በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ኢሉ ዝተዛረቦም ድማ፥ ኢዮርብዓምን ኵሉ እቲ ህዝብን ኮይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መፁ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ብርቱዕ ምላሽ መለሰሎም። “ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑት፥ ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም። ነቲ እግዚኣብሄር ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ብኣኪያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኸቝሞ፥ ካብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፥ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን። ኢሎም እናጨደሩ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ተመለሱ። ሮብዓም ግና ኣብቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ። ንጉስ ሮብዓም ንኣዶኒራም ነቲ ግብሪ ዘኽፍል ሰደዶ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ግና ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ሞተውን። ንጉስ ሮብዓም ድማ ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሃደመ። በዝ ኸምዙይ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ኸዲዖም ይነብሩ። ኵሎም እስራኤል ኢዮርብዓም ከም ዝተመለሰ ምስ ሰምዑ፥ ልኢኾም ናብቲ ጉባኤ ፀውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣንገስዎ። ብዘይ ነገድ ይሁዳ ንቤት ዳዊት ዝሰዓበ ኣይነበረን። ሮብዓም ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ ኣብ ሰሜን እስራኤል ዘላ መንግስቲ ናብ መንግስቲ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክመልስዋ፥ ካብ ኵላ ቤት ይሁዳን ካብ ነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ። ግና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሳማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦ “ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ንዅላ ነገድ ይሁዳን ነገድ ብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ በሎም፦ ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትኺዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። እዝ ነገር እዙይ ብፍቓደይ ዝኾነ እዩ’ ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ንቓል እግዚኣብሄር ሰምዑ፤ ከም ቃል እግዚኣብሄርውን ተመሊሶም ከዱ። ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ንሴኬም ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሰርሓ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። ንኣኣ ሓዲጉ ኸዓ ንጵንኤል ሰርሓ። ኢዮርብዓም ድማ ብልቡ “ሕዚ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ክስውኡ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ደየቡ፥ ልቦም ናብ ጐይታኦም ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኽምለስ እዩ፤ ንኣይ ክቐትሉኒ እዮም፥ እዛ መንግስቲ ድማ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ” ኢሉ ሓሰበ። ነቲ ሓደ ኣብ ቤቴል ኣንበሮ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ ኣብ ዳን ገበሮ። እቶም ህዝቢ ኽሰግዱ ኽሳዕ ዳን ይኸዱ ነበሩ እሞ ንጣዖት ብምምላኾም ሓጢኣት ገበሩ። ኣብ ኰረብታታትውን ዝሰግዱሉ ኣባይቲ ሰርሐ፤ ካብ ዘርኢ ሌዊ ዘይኮኑ ኸዓ፥ ካብቲ ማንም ህዝቢ ኻህናት ገበረ። ኢዮርብዓም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ከምቲ ኣብ ይሁዳ ዝግበር በዓል፥ በዓል ገበረ። ነቶም ዝሰርሖም ምራኹት ክስውአሎም ኣብ ቤቴል ናብቲ መሰውኢ ደየበ። ነቶም ዝመረፆም ካህናት ኣብ ቤቴል ኣብቲ ዝስገደሉ ኣንበሮም። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ኣብ ቤቴል ንደቂ እስራኤል በዓል ገበረሎም። ክዓጥን ድማ ናብቲ ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ። ኢዮርብዓም ክዓጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ድማ፥ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ቤቴል መፀ። ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ መሰውኢ፥ ኣታ መሰውኢ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ‘ንቤት ዳዊት ኢዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኽውለደላ እዩ። ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ንዝተሰርሐ ንናይ ኣህዛብ መሰውኢ ኣገልገልቲ ኾይኖም መስዋእቲ ንዘቕርቡልካ ኻህናት፥ ኣብ ልዕሌኻ ኽስውኦምን ነዕፅምቲ ሰባትውን ከቃፅለልካ እዩ’ ” ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ዓው ኢሉ ኣድመፀ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ምልክት እዙይ እዩ፦ “እንሆ፥ እቲ መሰውኢ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኽፈስስ እዩ” ኢሉ ምልክት ሃበ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውኢ ዝተዛረቦ ነገር ምስ ሰምዐ፥ ንጉስ ኢዮርብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ “ሓዝዎ” በለ። እታ ዝዘርግሓ ኢዱ ግና ስለ ዝደረቐት ክመልሳ ኣይከኣለን። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከም ዝሃቦ ምልክት ድማ፥ እቲ መሰውኢ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ወደቐ። እቲ ሓሙዅሽቲውን ፈሰሰ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “እዛ ኢደይ ክትሓውስ በይዛኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነለይ፤ ምእንታይ ከዓ ፀሊ” በሎ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ለመነ፤ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ሓወየት፤ ከም ቀደማውን ኮነት። እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ እንጀራ ብላዕ፤ ውህብቶውን ክህበካ እየ” በሎ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና ነቲ ንጉስ “እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይውን ኣይትስተ፤ በታ ዝኸድካያ መንገዲውን ኣይትመለስ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ እሞ፥ ፍርቂ ገዛኻ እንተ እትህበኒ እኳ፥ ምሳኻስ ኣይኣቱን፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸዓ እንጀራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን እየ” በሎ። ብኻልእ መንገዲ ድማ ኸደ፤ በታ ናብ ቤቴል ዝመፀላ መንገዲውን ኣይተመለሰን። ኣብ ቤቴል ድማ ሓደ ኣረጊት ነቢይ ነበረ። ደቁ መፂኦም ከዓ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዅሉ ኣብ ቤቴል ዝገበሮ፥ ነቦኦም ነገርዎ፤ እቲ ንንጉስ ዝተዛረቦ ነገርውን ኣዘንተዉሉ። ኣቦኣቶም ከዓ “በየነይቲ መንገዲኸ ኸደ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ደቁ ድማ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኸደላ መንገዲ ኣርአይዎ። ነቶም ደቁ ኸዓ “ኣድጊ ፀዓኑለይ” በሎም። ንሳቶም ድማ ፀዓኑሉሞ ተቐመጦ። ደድሕሪ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኸደ፤ ኣብ ትሕቲ ኦም ተቐሚጡ ኸዓ ረኸቦ፤ “እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ድማ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ “ነዓናይ ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ እንጀራ ብላዕ” በሎ። ንሱ ግና “ ‘ኣብኣ እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይ ኣይትስተ፤ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መንገዲውን ኣይትመለስ’ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ እሞ ምሳኻ ተመሊሰ ኣይከይድን እየ፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጀራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን እየ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣነውን ከማኻ ነቢይ እየ፤ መልኣኽ ድማ ‘እንጀራ ኽበልዕን ማይውን ክሰትን ናብ ገዛኻ ምለሶ’ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ” በሎ። ግና እቲ ኣረጊት ነቢይ ሓስዩ እዩ ኸምኡ ዝበለ። ስለዙይ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምስቲ ኣረጊት ነቢይ ተመለሰ፤ ኣብ ቤቱ ኣተወ፤ እንጀራ በልዐ፤ ማይውን ሰተየ። ንሳቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ኸዓ፥ ነቲ ዝመለሶ ኣረጊት ነቢይ ቃል እግዚኣብሄር መፆ። ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ ዓው ኢሉ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንቓለይ ስለ ዝኸዳዕኻዮ፥ ነቲ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝውን ስለ ዘይሓለኻዮ፥ ኣብታ እንጀራ ኣይትብልዐላ ማይ ከዓ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጀራ ስለ ዝበላዕኻ፥ ማይውን ስለ ዝሰተኻ፥ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኣቱን እዩ’ ” በሎ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንጀራ ምስ በልዐን ማይ ምስ ሰተየን፥ እቲ ዝመለሶ ኣረጊት ነቢይ ኣድጊ ፀዓነሉ። ምስ ከደ ኸዓ፥ ኣብ መንገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ሬሳኡ ድማ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ነበረ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። እንሆ ኸዓ፥ ዝሓልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ፥ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነቢይ ተቐሚጡላ ዝነበረ ኸተማ መፂኦም ድማ ኣውረዩ። እቲ ኻብ መንገዱ ዝመለሶ ነቢይ ከዓ እዙይ ምስ ሰምዐ “ንሱ እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝኸድዐ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ዘረባ ድማ እግዚኣብሄር ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ሰቢሩ ኸዓ ቐተሎ” በለ። ንደቁ ድማ “ኣድጊ ፀዓኑለይ” ኢሉ ተዛረቦም፤ ንሳቶም ድማ ፀዓኑሉ። ምስ ከደ ኸዓ እቲ ሬሳ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ፀንሖ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፤ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን። ሽዑ እቲ ኣረጊት ነቢይ ንሬሳ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጊ ፀዓኖ፤ ክበኽየሉን ክቐብሮን ከዓ ናብ ከተማኡ ተመለሰ። ነቲ ሬሳኡ ድማ ኣብ መቓብሩ ቐበሮ፤ “ዋይ ሓወይ፥ ዋይ ሓወይ” ኢሎም ከዓ በኸዩሉ። ምስ ቀበሮ ንደቁ “እቲ ኣብቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኵለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ንመስገዲ ኢሉ ኣብቲ ዀረብታታት ዝሰርሐን ኣባይትን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ ዝተዛረቦ ብርግፅ ክኸውን እዩ እሞ፥ ምስ ሞትኩ፥ ንኣይ ኣብዛ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፤ ኣዕፅምተይውን ኣብ ጥቓ ኣዕፅምቱ ኣንብሩ” ኢሉ ተዛረቦም። ብድሕሪዙይውን ኢዮርብዓም ካብ ክፉእ መንገዱ ኣይተመለሰን፤ መሊሱ ደኣ ኣብቲ ዝሰግደሉ ዀረብታታት ዘገልግሉ ኻብቶም ተራ ህዝቢ ኻህናት ገበረ። ኣብቲ ዀረብታታት ብኽህነት ከገልግሉ ንዝደለዩ ዅሎም ክህነት ሃቦም። እዝ ሓጢኣት እዙይ ከዓ ንመንግስቲ ኢዮርብዓም ኣውደቓ፤ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ከም እትጠፍእ ገበራ። በቲ ዘመን እቱይ ኣብያ ወዲ ኢዮርብዓም ሓመመ። ኢዮርብዓም ድማ ንሰበይቱ “ንዒ በይዛኺ፥ ሰበይተይ ምዃንኪ ኸይትፍለጢስ፥ ክዳንኪ ለውጢ፤ ናብ ሴሎ ኸዓ ኺዲ። እንሆ፥ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዝነግስ ዝተዛረበ ነቢይ ኣኪያ ኣብኣ ኣሎ። ዓሰርተ እንጀራን ሕምባሻን ንፅባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ እዝ ቘልዓ እንታይ ከም ዝኸውን ክገልፀልኪ እዩ” በላ። ኣኪያ ግና ኣዒንቱ ብእርጋን ፈዚዘን ነበራ እሞ ኽርኢ ኣይከኣለን። እግዚኣብሄር ድማ ንኣኪያ “እኒሃ ሰበይቲ ኢዮርብዓም ብዛዕባ እቲ ዝሓመመ ወዳ ኽትጥይቐካ ትመፅእ ኣላ። ንሳ ኻልእ ሰበይቲ መሲላ ኽትኣቱ እያ እሞ፥ ከምዙይ ከምዙይ ኢልካ ተዛረባ” በሎ። ብደገ ኽትኣቱ እንተላ፥ ኣኪያ ድምፂ እግራ ምስ ሰምዐ፥ “ሰበይቲ ኢዮርብዓም፥ እተዊ ደኣ፤ ስለ ምንታይ ኢኺ ኻልእ ሰበይቲ እትመስሊ? ኣነ ድማ ኸቢድ ወረ ኽነግረኪ ናባኺ ተልኢኸ ኣለኹ። ኪዲ እሞ ንኢዮርብዓም ከምዙይ በሊዮ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ማእኸል ህዝቢ ሓርየ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ገዛኢ ገበርኩኻ፤ መንግስቲ ድማ ኻብ ቤት ዳዊት መቒለ ሃብኩኻ። ንስኻ ግና፥ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሓለወ፥ ኣብ ቅድመይ ከዓ ዅሉ ቕኑዕ ዝኾነ ጥራሕ ከም ዝገበረ፥ ብምሉእ ልቡውን ከም ዝተኸተለኒ፥ ከም ባርያይ ዳዊት ኣይኮንካን። ካብቶም ቅድሜኻ ዝነገሱ፥ ክፉእ ብምግባር ዝገደድካ ንስኻ ኢኻ፤ ክተቘጥዐኒ ድማ ኻልኦት ኣማልኽትን ዝፈሰሰ ምስልታትን ገበርካ፤ ንኣይ ግና ንድሕሪት ደርበኻኒ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ነቲ ኻብ ወገን ኢዮርብዓም ኣብ ከተማ ዝመውት ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፤ ነቲ ኣብ በረኻ ዝመውት ከዓ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን። “ንስኺ ኸዓ ሕዚ ናብ ቤትኪ ኺዲ፤ እግርኺ ኣብታ ኸተማ ምስ በፅሐ ድማ እቲ ቘልዓ ኽመውት እዩ። ኣብ ቤት ኢዮርብዓም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብዝ ቘልዓ እዙይ ጥራሕ ፅቡቕ ነገር ስለ ዝረኸበ፥ ንሱ ጥራሕ ከም ስርዓት ክቕበር እዩ፤ ንእኡ ኸዓ ዅሎም እስራኤል እናበኸዩ ኽቐብርዎ እዮም። “እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዝኾኖ ኸተስእ እዩ፤ እቲ ንጉስ በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት ኢዮርብዓም ከጥፍኣ እዩ። ሕዚ እሞ እንታይ ክግበር እዩ? እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክወቕዖ እዩ። ከምቲ ሻምብቆ ኣብ ማይ ነነው ዝብል እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል ከምኡ ኽወቅዕ እዩ። ንእግዚኣብሄር ከቘጥዑ ጣዖታት ኣስታሮት ስለ ዝገበሩ፥ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሃቦም ፍርያም ምድሪ ኽነቕሎም፥ ናብ ሰገር ሩባ ኤፍራጥስውን ክብትኖም እዩ። ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ከዓ ዘሕጥኦምን፥ ንእስራኤል ክድርብዮም እዩ” በላ። ሰበይቲ ኢዮርብዓም ተሲኣ ናብ ቴርሳ ኸደት፤ ኣብ ድርኵዂት ቤታ ምስ በፅሐት ድማ እቲ ቘልዓ ሞተ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ፥ ብነቢይ ኣኪያ ዝተዛረቦ ቓል ከዓ ዅሎም እስራኤል ቀበርዎን በኸዩሉን። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ታሪክ፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝተዋግአን ከመይውን ከም ዝነገሰን፥ እንሆ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮርብዓም ዕስራን ክልተን ዓመት ነገሰ፤ ምስ ኣቦታቱውን ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ናዳብ ነገሰ። ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት እንተሎ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኣብኣ ኽፅዋዕ ኢሉ ኻብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ዝሓረያ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ንዓማ በዓልቲ ኣሞን ነበረት። ህዝቢ ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዝበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ። ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽትን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕማድን ሰርሑ። ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ድማ ግብረ ሰዶማውያን ነበሩ። ከምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዅሉ ርኽሰት ይገብሩ ነበሩ። ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤተ መንግስትን ብምሉኡ ወሰደ። ነቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዅሉ ዋልታ ወርቂውን ወሰዶ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ኽንድኡ ዋልታታት ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዝሕልዉ ተኸተልቲ ኸዓ ኣማዕቘቦም። እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኸይድ እንተሎ፥ እቶም ሓለውቲ ይስከሙዎም ነበሩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ውሽጢ ቤት እቶም ሓለውቲ ይመልስዎም ነበሩ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ታሪኽን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? በቲ ዘመን እቱይ ከዓ ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ኵልሻዕ ውግእ ነበረ። ሮብዓም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። እኖኡ ድማ ናዓማ እትብሃል በዓልቲ ኣሞን ነበረት። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣብያ ነገሰ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ንጉስ እስራኤል፥ ኣብያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ማዓካ እትብሃል ጓል ኣቤሴሎም ነበረት። በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፤ ልቡ ድማ ኸም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ኣይነበረን። ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግና፥ ብድሕሪኡ ወዱ ኸተስእ፥ ንኢየሩሳሌምውን ከፅንዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ ኢየሩሳሌም መብራህቲ ሃቦ። ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዝገበረ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኦርዮ ኬጢያዊ ነገር፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኣየግለሰን ነበረሞ። እቲ ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ዝተጀመረ ውግእ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወት ኣብያም ቐፀለ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ታሪኽን እቲ ዝገበሮ ዅሉን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ኣብያምን ኢዮርብዓምን ድማ ውግእ ነበረ። ኣብያም ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሳ ነገሰ። ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ድማ፥ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ መዓካ እትብሃል ጓል ኣቤሴሎም ነበረት። ኣሳ ድማ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ። ንሰዶማውያን ካብ ሃገሩ ኣወገዶም። ነቶም ኣቦታቱ ዝሰርሕዎም ኵሎም ጣዖታት ድማ ኣወገዶም። ንኖኡ መዓካውን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ስለ ዝገበረት፥ ካብቲ ንግስትነታ ሰዓራ። ነቲ ምስሊ ጣዖትውን ቈሪፁ ኣብ ጥቓ ሩባ ቄድሮን ኣንደዶ። ነቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዀረብታታት እኳ እንተ ዘየወገዶ፥ ልቢ ኣሳ ግና ምሉእ ህይወቱ ምስ እግዚኣብሄር ፍፁም ነበረ። ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ኣቑሑ ብሩርን ወርቅን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ። ኣብ መንጎ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ። ባኦስ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንይሁዳ ወረራ። ናብ ይሁዳ ዝኣቱን ዝወፅእን ከይርከብ ኢሉ ድማ ንራማ ዓረዳ። ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤተ መንግስትን ተሪፉ ዝነበረ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ወሰደ። ብኢድ ኣገልገልቱ ገይሩ ኸዓ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ወልደ ኣዴር ዝበሃል ንጉስ ሶርያ፥ ወዲ ጠብሪሞን ወዲ ኣዚንን፥ ልኢኹ፥ “ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኺዳን ይኹን። እንሆ፥ ገፀ በረከት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣለኹ እሞ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ካብ ምድረይ ምእንቲ ኽለቅቕስ ነቲ ምስኡ ዝኣተኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ” በሎ። ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ፤ ንኸተማታት እስራኤል ክወግእወን ድማ ሰራዊቱ ሰደደ፤ ንዒዮንን ንዳንን፥ ኣቤልቤት መዓካን ኪኔሬትን ምስ ኵላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዓረን። ባኦስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ሓዲጉ ኣብ ቴርሳ ተመሊሱ ተቐመጠ። ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናፃ እንተይሓደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተታ። ነቲ ባኦስ ንራማ ዓሪዱሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕፃውን ወሲዱ፥ ንጌባ ናይ ብንያምን ንምፅጳን ዓረደን። ኵሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ታሪኽ፥ ኵሉ ጅግንነቱን ኵሉ ዝገበሮን፥ ዝሰርሐን ከተማታትን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ብጊዜ እርጋኑ ግና ኣእጋሩ ሓመመ። ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮሳፍጥ ነገሰ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ናዳብ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ እስራኤልውን ክልተ ዓመት ነገሰ። ከም ኣቦኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኣቦኡን ንእስራኤልውን ብዘስሓተሉ ሓጢኣት ከደ። ባኦስ ወዲ ኣኪያ ኻብ ነገድ ይሳኮር ድማ ተመሓሓለሉ። ናዳብን ብዘለዉ እስራኤልን ንገባቶን ከቢቦምዋ እንተለዉ ኸዓ፥ ባኦስ ኣብ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዘሎ ገባቶን ቀተሎ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ባኦስ ንናዳብ ቀተሎ፤ ክንድኡ ድማ ነገሰ። ምስ ነገሰ ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰንኪ እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዘቘጥዖ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣኪያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ንቤት ኢዮርብዓም ኣጥፍኣ፤ ሓደ እስትንፋስ እንተይሓደገውን ንዅሎም ኣጥፍኦም። ኵሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዅሉ ዝገበሮን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ኵልሻዕ ውግእ ነበረ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባኦስ ወዲ ኣኪያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ቴርሳ ነገሰ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ከዓ ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኢዮርብዓምን ንእስራኤል ብዘስሓተሉ ሓጢኣትን ከደ። ሽዑ ናብ ኢዩ ወዲ ኣናኒ ብዛዕባ ባኦስ ንጉስ እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ዝብል ቃል መፀ፦ “ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ገበርኩኻ፤ ንስኻ ግና ብመንገዲ ኢዮርብዓም ከድካ፤ ንህዝበይ እስራኤል ድማ ብሓጢኣቶም ከቘጥዑኒ ኣስሓትካዮም። እንሆ፥ ንባኦስን ንገዛኡን ንንየው ክፀርጎም እየ፤ ንገዛኻ ድማ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ። ካብ ወገን ባኦስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኸተማ ዝመውት ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፤ ነቲ ኣብ በረኻ ዝመውትውን፥ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።” እቲ ዝተረፈ ናይ ባኦስ ነገርን እቲ ዝገበሮ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ባኦስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ቴርሳውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኤላ ነገሰ። ብስራሕ ኢዱውን ንኸቘጥዖ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበሮ ዅሉ ኽፍኣትን ንእኡውን ስለ ዝቐተሎን፥ እቲ ብነቢይ ኢዩ ወዲ ኣናኒ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ባኦስን ኣብ ልዕሊ ቤቱን ተፈፀመ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሽዱሽተን ዓመቱ ኸዓ ኤላ ወዲ ባኦስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቴርሳ ነገሰ፤ ከልተ ዓመት ድማ ገዝአ። ግና እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፥ ሓሽከሩ ዘምሪ ተመሓሓለሉ። ንጉስ ኤላ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቴርሳ ዘላ ቤተ መንግስቱ ኣዛዚ ዝነበረ ኣርሳ ሰትዩ ሰኺሩ ስለ ዝነበረ፥ ዘምሪ ኣትዩ ወቒዑ ቐተሎ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ዘምሪ ንኤላ ቐተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ። ዘምሪ ነጊሱ ኣብ ዙፋኑ ምስ ተቐመጠ፥ ሽዑ ንሽዑ ንዅሎም ስድራ ባኦስ ቐተሎም፤ ካብ ዘመዱ፥ ካብ ፈተውቱ ኾነ፥ ካብ ወዲ ተባዕታይ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ኣጥፍኦም። ብሰንኪ ዅሉ እቲ ባኦስን ወዱ ኤላን ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ከንቱ ንዝኾኑ ጣዖታት ብምምላኾምን፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዘቘጥዕዎን፥ ንእስራኤል ከዓ ስለ ዘስሓትዎን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ባኦስ ዝተዛረቦ ቓል፥ ዘምሪ ንብዘላ ቤት ባኦስ ኣጥፍኣ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ዘምሪ ኣብ ቴርሳ ሸውዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቶም ህዝቢ ግና ንናይ ፍልስጥኤማውያን ገባቶን ከቢቦምዋ ነበሩ። እቶም ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ዝነበሩ ህዝቢ ዘምሪ ኸም ዝዓመፀ ንንጉስውን ከም ዝቐተሎ ሰምዑ። ሽዑ ዅሎም እስራኤል ንዘምበሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ውሽጢ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ። ዘንበሪን ኵሎም ሰራዊት እስራኤልን ከዓ ኻብ ገባቶን ደዪቦም ንቴርሳ ኸበብዋ። ዘምሪ እታ ኸተማ ኸም ዝተትሓዘት ምስ ረአየ፥ ናብ ውሽጢ ህንፃ ቤት ንጉስ ኣትዩ፥ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣባርዓ። ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ስለ ዘስሓተሉ ሓጢኣቱን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበረ፥ ብመንገዲ ኢዮርብዓምውን ስለ ዝከደ ሞተ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዘምሪ ነገርን እቲ ዝገበሮ ሻራን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተኸፈለ። ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንታምኒ ወዲ ጎናት ከንግሶ ሰዓበ። እቲ ፍርቂ ኸዓ ንዘንበሪ ኸንግሶ ሰዓበ። ንዘንበሪ ዝሰዓበ ህዝቢ ድማ ነቲ ታምኒ ወዲ ጎናት ዝሰዓበ ህዝቢ ሓየሎ። ስለዙይ ታምኒ ሞተ፤ ዘንበሪ ድማ ነገሰ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ፥ ዘንበሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ከዓ ገዝአ። እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቴርሳ ኾይኑ ነገሰ። ንዀረብታ ሰማርያ ድማ ኻብ ሳምር ብሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዓደጋ፤ ነታ ዀረብታ ዓሪዱ ኸዓ ኣብኣ ኸተማ ሰርሐ፤ ብስም ሳምር ጐይታ እታ ዀረብታ ድማ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ። ዘንበሪ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም የመና ኽፉእ ገበረ። ብዅሉ መንገዲ ኢዮርብዓም ብዘይረብሕ ነገሮም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምእንቲ ኸቘጥዕዎ፥ ንእስራኤል ብዘስሓተሉ ሓጢኣት ከደ። እቲ ዝተረፈ ዘንበሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ ጅግንነቱን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ዘንበሪ ድማ ሞተ፤ ኣብ ሰማርያውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣክኣብ ነገሰ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ ኣክኣብ ወዲ ዘንበሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝአ። ኣክኣብ ወዲ ዘንበሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝኸፍአ ገበረ። ብሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ምኽያድ ንእሽተይ ነገር መሰሎ፤ ንኤልዛቤል ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፥ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንጣዖት በዓል ኣምለኸ፤ ሰገደሉውን። ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት ጣዖት በዓል ድማ ንጣዖት በዓል መሰውኢ ኣቖመሉ። ኣክኣብ ከዓ መምለኺ ዓፀድ ተኸለ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘቘጥዕ ብምግባሩ፥ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ። ብዘመን ኣክኣብ ከዓ ኣኪኤል በዓል ቤቴል ንኢያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢያሱ ወዲ ነዌ ዝተዛረቦ ቓል ድማ ኽስርታ እንተሎ ብኣቢሮን በዅሪ ወዱ መስረታ፤ በቲ ንእሽተይ ወዱ ብሰጉብ ድማ በሪታታ ኣቖመ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ገለዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቴስቢያዊ ንኣክኣብ “በዘን ዓመታት፥ እዚኣተን እንትርፊ ብቓል ኣፈይ፥ ኣውሊ ኾነ ዝናም ከም ዘይኸውን፥ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምኩ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ካብዙይ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተሓባእ። ካብቲ ሩባ ማይ ክትሰቲ ኢኻ፤ ኣብኡ ኽምግቡኻ ድማ ንዃዃት ኣዚዘ ኣለኹ” በሎ። ከይዱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተቐመጠ። እቶም ኳዃት ድማ ንግሆን ምሸትን እንጀራን ስጋን የምፅኡሉ ነበሩ፤ ካብቲ ሩባ ኸዓ ይሰቲ ነበረ። ኣብታ ምድሪ ዝናም ስለ ዘይዘነመ ድማ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ እቲ ሩባ ነፀፈ። ሽዑ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኤልያስ “ተስእ እሞ ናብ ሰራፕታ ናይ ሲዶና ኺድ፤ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ ኣብኡ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣለኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ። ኤልያስ ከዓ ተሲኡ ናብ ሰራፕታ ኸደ። ኣብ ደገ እታ ኸተማ ምስ በፅሐ ድማ፥ እንሆ ዕንፀይቲ እትኣሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንኣኣ ፀዊዑ ኸዓ “በይዛኺንዶ ቑሩብ ዝስተ ማይ ኣምፅእለይ” በላ። ክተምፅእ ኢላ ምስ ተልዓለት ድማ መሊሱ ፀዊዑ “ቍራስ እንጀራውን ብኢድኪ ሒዝኪ ንኽትመፂ እልምነኪ ኣለኹ” በላ። ንሳ ኸዓ “ብዘይ ሕፍኒ ሕሩጭ ኣብ ዕትሮ፥ ቁሩብ ዘይቲ ኸዓ ኣብ መቐርሰሚቶ፥ እንጀራ ኸም ዘይብለይ፥ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። እኒሀኹ ኸዓ ቑሩብ ዕንፀይቲ እኣሪ ኣለኹ፤ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እየ፤ ንእኡ በሊዕናውን ክንመውት ኢና” በለቶ። ኤልያስ ከዓ “ኣይትፍርሒ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዘዝንመላ መዓልቲ ሕሩጭኪ ኻብ ዕትሮ ኣይውዳእን፤ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶኺ ኣይጐድልን እዩ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ኪዲ፥ ከምቲ ዝበልኪዮ ሰንክቲ፤ ቅድም ግና ኻብቲ ሕሩጭ ንኣይ ንእሽተይ ቅጫ ሰንኪትኪ ኣምፅእለይ፤ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ” በላ። ከይዳ ኸዓ ኸምቲ ቓል ኤልያስ ገበረት። ኤልያስን ንሳን ስድራኣን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኤልያስ ዝተዛረቦ ቓል እቲ ሕሩጭ ካብ ዕትሮ፥ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን። ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ወዲ እታ መበለት ሓመመ። እስትፋሱ ኽሳዕ ዝስእን እቲ ሕማሙ የመና ኸቢድ ነበረ። ሽዑ ንሳ ንኤልያስ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ እንታይ ደኣ ገይረካ? ሓጢኣተይ ክተዘክርን ወደይ ክትቀትልን ዲኻ ዝመፃእኻኒ?” በለቶ። ንሱ ግና “ወድኺ ሃብኒ” በላ። ካብ ሕቝፋ ወሲዱ ኸዓ ናብታ ዝነብረላ ደብሪ ኣደየቦ እሞ፥ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ። ሽዑ ኤልያስ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ስለ ምንታይ ነዛ ኣነ ምስኣ ብእንግድነት ዝነብር ዘለኹ መበለት ወዳ ብምቕታል ክፉእ ኣውረድካላ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሻዕ ለጥ ኢሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ በይዛኻ፥ ነፍሲ እዝ ቘልዓ እዙይ ናብ ስጋኡ ምለሳ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ከዓ ፀሎት ኤልያስ ሰምዐ፤ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ሓወየ። ኤልያስ ከዓ ነቲ ቘልዓ፥ ካብ ደብሪ እታ ቤት ኣውሪዱ፥ ንኖኡ ሃባ። “ረአዪ፥ ወድኺ ሓውዩ” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኤልያስ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዝኾንካ፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ብኣፍካ ሓቂ ኸም ዝኾነ ሕዚ ፈለጥኩ” በለቶ። ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ በታ ሳልሰይቲ ዓመት፥ ንኤልያስ “ኬድካ ንኣክኣብ ተርኣዮ እሞ፥ ኣነ ድማ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ መፀ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ። ኣክኣብ ድማ ንኣብድዩ ኣዛዚ ቤቱ ፀውዖ። (ኣብድዩ የመና ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ነበረ። በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዘቕተለትሉ ጊዜ፥ ኣብድዩ ሚእቲ ነቢያት ወሲዱ፥ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሓብኦም፤ እንጀራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።) ኣክኣብ ከዓ ንኣብድዩ፥ “ምናልባሽ ሳዕሪ እንተ ረኸብና እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ክነድሕን እንተ ኸኣልናስ፥ ኣብዝ ሃገር ናብ ዘሎ ዅሉ ዓይኒ ማያትን፥ ናብ ኵሉ ሩባታትን ንኺድ” በሎ። ክዀልዋ ድማ ነታ ሃገር ተማቐልዋ። ኣክኣብ ንበይኑ ብሓደ መንገዲ ኸደ፤ ኣብድዩውን ንበይኑ ብኻልእ መንገዲ ኸደ። ኣብድዩ ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ እንሆ ኤልያስ ተራኸቦ፤ ኣለልይዎ ድማ ብገፁ ፍግም ኢሉ “ጐይታይ ኤልያስ ዲኻ ንስኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “እወ፥ ኣነ እየ፤ ንጐይታኻ ኣክኣብ ‘ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ’ ኢልካ ኺድ ንገሮ” በሎ። ኣብድዩ ኸዓ “እንታይ ሓጢኣትዶ ገይረ እየ? ንጉስ ኣክኣብ ክቐትለንስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፍካ ኽትህበኒ? ጐይታይ ንጉስ ክደልየካ ኢሉ ዘይለኣኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዘየለ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። ‘ኣይረኸብናዮን’ ምስ በልዎ ኸዓ፥ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሓሎም። ሕዚ ድማ ንስኻ ‘ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ’ ኢልካ ንጐይታኻ ንገሮ ትብለኒ ኣለኻ። ካባኻ ምስ ከድኩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፥ ኣነ ድማ ንኣክኣብ ምስ ነገርክዎ እንተ ዘይረኸበካ ኽቐትለኒ እዩ። ንስኻ ግና ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ምዃነይ ዘክር። በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፥ ካብ ነቢያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሓቢአ እንጀራን ማይን መገብክዎም። እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንኣኻ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም? ሕዚ ኸዓ ንስኻ ‘ናብ ጐይታኻ ኼድካ፥ ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ ኢልካ ንገሮ’ እትብለንስ ክቐትለኒ እንድዩ?” በሎ። ኤልያስ ድማ “ኣነ ሎሚ ንኣክኣብ ከም ዝርኣዮ፥ በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ። ኣብድዩ ኸዓ ኸይዱ ንኣክኣብ ረኺቡ ነገሮ፤ ኣክኣብ ድማ ንኤልያስ ክረኽቦ ኸደ። ኣክኣብ ንኤልያስ ምስ ረአዮ “ንእስራኤል እትገለባብጦም ዘለኻ ንስኻ ዲኻ?” በሎ። ኤልያስ ድማ “ንስኻን ቤት ኣቦኻን ኢኹም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ንጣዖት በዓል ብምግልጋልኩምን ንእስራኤል እትገለባብጡ ዘለኹም እምበር፥ ኣነስ ንእስራኤል ኣይገለባበጥኩን። ሕዚ ኸዓ ልኢኽካ ንዅሉ እስራኤልን ነቶም ኣብ ማእዲ ኤልዛቤል ዝበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነቢያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነቢያት ኣስታተርን ናባይ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣክበለይ” በሎ። ኣክኣብ ድማ ልኢኹ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነቶም ነቢያት ጣዖት በዓልን ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣከቦም። ኤልያስ ድማ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብኽልተ ሓሳብ እትሕንክሱ? እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፤ በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኣምላኽ ከዓ ንእኡ ሰዓቡ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። ሽዑ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፥ “ኻብ ነቢያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣለኹ፤ ነቢያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም። እምበኣር ክልተ ዝራብዓት ይወሃቡና እሞ፥ ንሳቶም ሓደ ዝራብዕ ይሕረዱ፤ ቈራሪፆም ከዓ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ የንብርዎ፤ ሓዊ ግና ኣይእጐዱሉ። ኣነ ድማ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ኣሰናድየ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ኸንብሮ እየ፤ ሓዊ ግና ኣይኣጕደሉን እየ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ “እዚኣስ ፅብቕቲ ዘረባ እያ” ኢሎም መለሱ። ኤልያስ ድማ ነቶም ነቢያት በዓል “ንስኻትኩም ብዙሓት ኢኹም እሞ፥ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሓሪኹም ኣሰናድዉ፤ ስም ኣምላኽኩም ከዓ ፀውዑ፤ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ” በሎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፤ ኣሰናድዮም ከዓ፥ “ኦ በዓል፥ ምላሽ ሃበና” እናበሉ ኻብ ጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ስም በዓል ፀውዑ። ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ መልሲ ዝህብውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናዘለሉ ይዞርዎ ነበሩ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ኤልያስ፥ “ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ብሓሳብ ተውሒጡ ኸይህሉ፥ ወይ ኣግሊሱ ወይ ገይሹ ኸይኸውን፥ ምናልባሽ ከዓ ደቂሱ ኸይህሉ፥ ምእንቲ ኽበራበርስ፥ ዓው ኢልኩም ደኣ ፀውዑ” ኢሉ ኣባጨወሎም። ዓው ኢሎም ድማ ፀውዑ፤ ከምቲ ስርዓቶም ከዓ ደሞም ክሳዕ ዝፈስስ፥ ንኣካላቶም ብኣስይፍትን ብዂናታትን ተፍተፍዎ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሓለፈ፥ ክሳዕ እቲ መስዋእቲ ሰርኪ ዝበፅሕ ትንቢት ይናገሩ ነበሩ፤ ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ ዝምልስውን ኣይነበረን፤ ዘድምፅውን ኣይነበረን። ሽዑ ኤልያስ ንዅሎም ህዝቢ “ናባይ ቅረቡ” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ኸዓ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሓደሶ። ኤልያስ ድማ፥ ሽምካ እስራኤል ክበሃል እዩ፥ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሉ ያእቆብ፥ ከም ቍፅሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ወሰደ። በተን ኣእማን ከዓ ንስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ ዝሕዝ ጕድጓድ ኰዓተ። ነቲ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፎ፤ ነቲ ዝራብዕ ቘራሪፁ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣንበሮ። ሽዑ “ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኹም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይትን ኣፍስሱሉ” በሎም። “ካልኣይ ከዓ ኣፍስሱሉ” በሎም። ካልኣይ ድማ ኣፍሰሱሉ። “ሳልሳይውን ኣፍስሱሉ” በሎም። ሳልሳይውን ኣፍሰሱሉ። እቲ ማይ ኣብ ዙሪያ እቲ መሰውኢ ወሓዘ፤ እቲ ጕድጓድ ድማ ማይ መልአ። በታ መስዋእቲ ሰርኪ ዝቐርበላ ጊዜ ድማ ነቢይ ኤልያስ ቀሪቡ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፥ ነዝ ዅሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ፥ ሎሚ ኣፍልጥ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ንልባቶም ድማ ናባኻ ኸም ዝመለስካዮ ምእንቲ ኽፈልጡስ ስምዐኒ፤ ኦ እግዚኣብሄር ስምዐኒ” በለ። ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ዕንፀይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን በልዖ። ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሓሶ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ተደፊኦም “እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ! እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ!” በሉ። ኤልያስ ድማ “ንነቢያት በዓል ሓዝዎም፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣየምልጥ” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓዝዎም። ኤልያስ ድማ ናብ ሩባ ቂሶን ኣውሪዱ ኣሕረዶም። ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ፥ “ድምፂ ብርቱዕ ዝናም ይስማዕ ኣሎ እሞ፥ ደይብካ ብላዕን ስተን” በሎ። ሽዑ ኣክኣብ ክበልዕን ክሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፤ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸዓ ገፁ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ፤ ብግምባሩውን ተደፍአ። ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ውፃእሞ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ” በሎ። ወፂኡ ኣማዕድዩ ኸዓ፥ “ዝኾነ እኳ የለን” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ኪድ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለስ በሎ” እቲ ሓሽከሩ ኸዓ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለሰ። በታ ሻውዐይቲ ጊዜ “ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደመና ኻብ ባሕሪ ትለዓል ኣላ” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ደይብካ ንኣክኣብ ‘ዝናም ከይዓግተካ፥ ሰረገላኻ ፅዒንካ ውረድ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ እቲ ሰማይ ብደመናን ብመሸምቦባን ፀልመተ፤ ብርቱዕ ዝናም ከዓ ኾነ። ኣክኣብ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ። ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት፤ ሕቘኡ ተዓጢቑ ድማ ኽሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዝኣቱ፥ ቀቅድሚ ኣክኣብ ይጐዪ ነበረ። ኣክኣብ ድማ እቲ ዅሉ ኤልያስ ዝገበሮን ንዅሎም ነቢያት ከዓ ብሰይፊ ኸም ዝቐተሎምን ንኤልዛቤል ነገራ። ሽዑ ኤልዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፥ ንኤልያስ “ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኻብዚኣቶም ከም ሓንቲ ነፍሲ እንተ ዘይገይረያ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” በለት። ኤልያስ ከዓ ፈሪሑ ተልዓለ፤ ህይወቱ ንኸድሕንውን ሃዲሙ ኸደ፤ ናብ ቤርሳቤህ ናይ ይሁዳ ድማ መፀ፤ ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ ኣብኣ ሓደጎ። ንሱ ግና ኣብ ምድረ በዳ መንገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፥ ናብ ፅላል ሓንቲ ኽሊዐው መፂኡ ኾፍ በለ፤ ክመውት ድማ ተመነየ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልፅን እየ እሞ፥ ሕዚ ይኣኽለኒ፤ ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ። እንሆ ድማ፥ መልኣኽ ነቕኒቑ “ተስእ እሞ ብላዕ” በሎ። እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እንሆ ኣብ ርሱን እምኒ ዝተሰንከተ ቕጫን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ ደቀሰ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኣበራቢሩ “ነዊሕ መንገዲ ኣለካ እሞ፥ ተሲእኻ ብላዕ” በሎ። ንሱ ድማ ተሲኡ በልዐን ሰተየን እሞ፥ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ኽሳዕ እቲ ዝተቐደሰ እምባ እግዚኣብሄር ኮሬብ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ። ኣብኡ ኸዓ ናብ በዓቲ ኣተወ፤ ኣብኡውን ሓደረ። “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ። ንሱ ኸዓ “ንሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ “ወፂእኻ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድመይ ደው በል” በሎ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሓለፈ፤ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ የመና ብርቱዕ ንፋስ መፀ፤ ነቲ እምባታት ሰንጠቖ፤ ነቲ ኣኻውሕ ድማ ሰባበሮ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከዓ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ሓዊ መፀ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፤ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸዓ ህዱእ ድምፂ መፀ። ኤልያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ገፁ ብበርኖሱ ኸደነ፤ ወፂኡ ኸዓ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፥ ድምፂ ናብኡ መፂኡ “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” በሎ። ንኢዩ ወዲ ናሜሲን ከዓ ኣብ እስራኤል ክነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ በዓል ኣቤል ሜሆላ ድማ ኽንዳኻ ነቢይ ክኸውን ቅብኣዮ። ነቲ ኻብ ሰይፊ ኣዛሄል ዘምለጠ ኢዩ ኽቐትሎ እዩ፤ ነቲ ኻብ ሰይፊ ኢዩ ዘምለጠ ድማ ኤልሳዕ ክቐትሎ እዩ። ኣነ ግና ንጣዖት በዓል ክሰግዱሉ ኢሎም ዘይተምበርከኹን ንምስሉ ብኣፎም ዘይተሳለሙን ኣብ እስራኤል ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ” በለ። ኤልያስ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ብዕራይ ገይሩ ኸሕርስ እንተሎ ረኸቦ፤ ኤልሳዕ ባዕሉ ኸዓ በቶም መበል ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ኣብዑር ይሓርስ ነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሓሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ። ንሱ ድማ “ኪድ ተመለስ፤ እንታይዶ ገይረልካ እየ?” በሎ። ካብኡ ተመሊሱ ኸዓ፥ ንኽልቲኦም ኣብዑር ሓረዶም፤ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ መሳርዕ ማሕረስ ኣብሲሉ፥ ነቶም ህዝቢ ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ተሲኡ ድማ ንኤልያስ ተኸቲሉ ኸደ፤ የገልግሎውን ነበረ። ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ ዅሉ ሰራዊቱ ኣኽተተ። ሰላሳን ክልተን ነገስታት ምስ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ከዓ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ ኸቢቡ ተዋግኣ። ናብ ከተማ፥ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ልኡኽ ሰዲዱ ድማ “ወልደ ኣዴር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን እቶም ዘዝፀበቑ ደቅኻን ናተይ እዮም’ ” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ “ጐይታይ ንጉስ ከምቲ ዘረባኻ እዩ፥ ኣነን እቲ ዅሉ ዘለንን ናትካ ኢና” ኢሉ መለሰሉ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም “ወልደ ኣዴር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ሃበኒ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ፤ ግና ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣሕሉቕ ሰራዊተይ ናባኻ ኽሰድድ እየ እሞ፥ ገዛኻን ኣባይቲ ሹመኛታትካን ክጕርጕሩ እዮም። ንዅሉ ደስ ዝበሎምን በእዳዎም ዝዳህሰስዎን ክወስድዎ እዮም’ ” በልዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንዅሎም ዓበይቲ እታ ሃገር ፀዊዑ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነገር ይደልየና ኸም ዘሎ ረአዩ፤ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይ ኣይከላእኽዎን” በሎም። ኵሎም ዓበይትን ኵሉ እቲ ህዝብን “ኣይትስምዓዮ፤ ሕራይውን ኣይትበሎ” በልዎ። ንሱ ኸዓ ነቶም ልኡኻት ወልደ ኣዴር “ንጐይታይ ንጉስ ‘እቲ ዅሉ ቕድም ንሓሽከርካ ዝለኣኽካለይ ነገር ክገብሮ እየ፤ ግና እዝ ሕዚ ዝበልካዮ ነገር፥ ክገብሮ ኣይክእልን እየ ኢሉ’ በሉለይ” በሎም። እቶም ልኡኻት ከዓ ኸይዶም እዝ ነገር እዙይ ነገርዎ። ወልደ ኣዴር ድማ “ነቲ ዝኽተለኒ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዕዅቲ ዕዅቲ እንተ በፂሕዎምስ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” ኢሉ ለኣኸሉ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ “ ‘እቲ ኣፅዋር ዝዕጠቕ ከምቲ ኣፅዋር ዝፈትሕ ገይሩ ኣይዘሃርን እዩ’ በልዎ” ኢሉ መለሰሎም። ወልደ ኣዴርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኮይኖም ክሰትዩ እንተለዉ፥ እዝ ነገር እዙይ ሰምዑ። ወልደ ኣዴር ድማ ንሰራዊቱ “ተሰለፉ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣብ መንፅር እታ ኸተማ ተሰለፉ። ሽዑ ሓደ ነቢይ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነዝ ብዙሕ ሰራዊት እዙይዶ ትሪኦ ኣለኻ? ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ እንሆ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ” በሎ። ኣክኣብ ድማ “ብመን?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ነቢይ ኸዓ “እግዚኣብሄር ‘ብኣገልገልቲ እቶም ኣመሓደርቲ ሃገር’ ይብል ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። መሊሱ ድማ “ነቲ ውግእኸ መን ይምርሓዮ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ነቢይ ከዓ “ንስኻ” በሎ። ሽዑ ነቶም ኣገልገልቲ እቶም ኣመሓደርቲ ሃገር ቈፀሮም እሞ፥ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ኮኑ። ደድሕሪኣቶም ከዓ ንዅሉ ህዝብን ንዅሎም ሰራዊት ደቂ እስራኤልን ቈፀሮም እሞ ሸውዓተ ሽሕ ኮኑ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ወፁ። ወልደ ኣዴር ግና፥ ንሱን እቶም ክሕግዝዎ ዝመፁ ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ። እቶም ኣገልገልቲ ኣመሓደርቲ ሃገር ከዓ ቕድም ወፁ። ወልደ ኣዴር ድማ ዝስልሉ ሰደደ እሞ “ሰባት ካብ ሰማርያ ይወፁ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ኸዓ “ሰላም ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖም፥ ብህይወቶም ሓዝዎም፤ ውግእ ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖምውን፥ ብህይወቶም ሓዝዎም” በሎም። እዚኣቶም እቶም ኣገልገልቲ መመሓደርቲ ሃገርን እቲ ዝሰዓቦም ሰራዊት እስራኤልን ኮይኖም ካብታ ኸተማ ወፁ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ንዝነበረ ሰብ ቀተለ፤ ሶርያውያን ከዓ ሃደሙ፤ እስራኤላውያን ድማ ሰጐጒዎም። ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ኸዓ፥ ምስ ሓድሓደ ፈረሰኛታት ኮይኑ፥ ብፈረስ ኣምለጠ። ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ናብ ውግእ ኣትዩ ናይ ፀላእቲ ኣፍራስን ሰረገላታትን ማረኸ። ንሶርያውያን ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣብፅሐሎም። ሽዑ እቲ ነቢይ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፥ “ንጉስ ሶርያ ነዓመታ ድማ ኽመፀካ እዩ እሞ፥ ኪድ በርትዕ። እንታይ ከም እትገብር ድማ ፍለጥ” በሎ። ሹመኛታት ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ “ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ እምባ ስለ ዝኾኑ እዮም ዝበርትዑና። ኣብ ጐልጐል ኴንና እንተ ተዋጊእናዮም ግና ብርግፅ ክንስዕሮም ኢና” በልዎ። “ሕዚ ግና ነዞም ነገስታት ካብ ሰሰፈሮም ኣግልሶም፤ ከክንዳኣቶም ድማ ኣሕሉቕ ሹም። ንስኻ ግና ኸም ብዝሒ እቶም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ውግእ ዘጥፋእኻዮም ኣፍራስን ሰረገላታትን ሰራዊትን ኣዳሉ። ሽዑ ኣብ ጐልጐል ክንዋግኦም ኢና፤ ብርግፅ ከዓ ኽንስዕሮም ኢና” በልዎ። ንሱ ድማ ዘረባኣቶም ሰሚዑ ኸምቲ ዝበልዎ ገበረ። በታ ኻልአይቲ ዓመት ድማ ወልደ ኣዴር ንሶርያውያን ኣኽተቶም፤ ምስ እስራኤል ክዋጋእ ከዓ ናብ ኣፌቅ ደየበ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸተቱ፤ ስንቆም ሒዞምውን ክዎግእዎም ከዱ። እቶም ደቂ እስራኤል ከዓ ኽልተ ኣናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንፅሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ። ሽዑ እቲ ናይ እግዝኣብሔር ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እቶም ሶርያውያን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እምባ እዩ እምበር፥ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኮነን’ ስለ ዝበሉ፥ ነዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ተዛረቦ። ሶርያውያንን እስራኤላውያንን ድማ ማዕዶ ንማዕዶ እናተረኣኣዩ ሸውዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ውግእ ኾነ። ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ። እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ነቶም ዝተረፉ ዕስራን ሸውዓተን ሽሕ ሰባት ከዓ መካበብያ ወደቖም። ወልደ ኣዴር ድማ ሃዲሙ ኣብታ ኸተማ ተሓብአ። ሹመኛታቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ፥ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል መሓርቲ ነገስታት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምናልባሽ ንነፍስኻ እንተ መሓራስ፥ በይዛኻ ኣብ ሕቘና ወጮ ተዓጢቕና፥ ኣብ ርእስና ኸዓ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንኺድ” በልዎ። ወጮ ተዓጢቖም ገመድውን ኣብ ረርእሶም ጠምጢሞም ናብ ንጉስ እስራኤል መፁ። “ሓሽከርካ ወልደ ኣዴር ‘ንነፍሰይ ክትምሕራ እልምነካ ኣለኹ’ ኢሉ እዩ” ድማ በልዎ። ንሱ ኸዓ “ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ እዩ? ንሱ ሓወይ እዩ” በሎም። እቶም ሰባት ድማ ነዙይ ፅቡቕ ምልክት ገይሮም ስለ ዝወሰድዎ፥ ተቐላጢፎም “እወ፥ ወልደ ኣዴር ሓውካ ኣሎ እዩ” ኢሎም ብዘረባኡ ሓዝዎ። ንሱ ኸዓ “ኪዱ፥ ኣምፅእዎ” በሎም። ወልደ ኣዴር ድማ ናብኡ መፀ። ኣክኣብ ከዓ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ። ወልደ ኣዴር ድማ “እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየ፤ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፥ ንስኻ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ዕዳጋ ግበር” በሎ። ኣክኣብ ከዓ “ኣነ ድማ በዝ ውዕሊ እዙይ ሓራ የውፅአካ ኣለኹ” በሎ። ምስኡ ኺዳን ተኣታትዩ ኸዓ ሰደዶ። ሓደ ሰብኣይ ካብቶም ደቂ ነቢያት ድማ ብቓል እግዚኣብሄር ንሓደ ብፃዩ “በይዛኻ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ብፃዩ ግና ምውቃዑ ኣበየ። ሽዑ ንሱ “ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኻ፥ እንሆ፥ ካባይ ምስ ከድካ፥ ኣንበሳ ኽቐትለካ እዩ” በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸዓ፥ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ካልእ ሰብኣይ ድማ ረኸቦ እሞ “በይዛኻ፥ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ የመና ስለ ዝወቕዖ ኣቝሰሎ። እቲ ነቢይ ከዓ ኸይዱ፥ ኣብ ኣዒንቱ መሸፈኒ ገይሩ፥ መልክዑ ለዊጡ፥ ነቲ ንጉስ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ተፀበዮ። እቲ ንጉስ ክሓልፍ እንተሎ ድማ “ክዋጋእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ሓልዎ ኢሉ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣምፅአለይ፤ ‘እንተ ጠፍአ ኽንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ወይ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ክትከፍል ኢኻ’ እውን በለኒ። ኣነ ሓሽከርካ ኣብዙይን ኣብቱይን እናበልኩ ኽሰርሕ እንተለኹ ድማ እቲ ሰብ ጠፍአ” እናበለ ናብ ንጉስ ጠርዐ። ንጉስ እስራኤል ድማ “ባዕልኻ ኢልካዮ ኣለኻ፤ ፍርድኻ ኸምቲ ውዕልኹም እዩ” በሎ። ሽዑ ንሱ ነቲ መሸፈኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣግለሶ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ፥ ንሱ ኻብ ነቢያት ከም ዝኾነ ፈለጠ። ነቲ ንጉስ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነቲ ኽመውት ዝፈረድክዎ ሰብኣይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፥ ክንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ክንዲ ሰራዊቱ ኸዓ ሰራዊት እስራኤል ክጠፍኡ እዮም’ ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጕህዩ፥ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ናብ ሰማርያ ኸደ። ንኢይዝራኤላዊ ናቡቴ ኣብ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ጥቓ ቤት ኣክኣብ ንጉስ ሰማርያ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። ኣክኣብ ድማ ንናቡቴ “ኣታኽልቲ ወይንኻ ኣብ ጥቓ ቤተይ ስለ ዝኾነት፥ ቦታ ኣታኽልቲ ኽገብሮስ ሃበኒ። ክንድኡ ኸዓ ኻብኡ ዝበልፅ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፥ ወይ እንተ ደሊኻ፥ ብዝተገመቶ ገንዘብ ክህበካ” ኢሉ ተዛረቦ። ናቡቴ ድማ ንንጉስ ኣክኣብ “ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” በሎ። ኣክኣብ ከዓ በቲ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ “ርስቲ ኣቦታተይስ ኣይህበካን” ኢሉ ተዛሪብዎ ብዝነበረ ቓል ጕህዩን ተቘጢዑን ናብ ገዛኡ ኣተወ። ኣብ ዓራቱ ተገዲሙ ገፁ ተሸፈነ፤ እንጀራውን ኣይበልዐን። ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ ናብኡ መፂኣ “ስለ ምንታይ እዩ መንፈስካ ጕህዩ ዘሎ እንጀራ ዘይትበልዕ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ንናቡቴ ኢይዝራኤላዊ፥ ብገንዘብ ወይ ንስኻ እንተ ደሊኻ ኽንድኡ ኻልእ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፥ ኣታኽልቲ ወይንኻ ሃበኒ እንተ በልክዎስ ኣብዩኒ። ‘ኣታኽልቲ ወይነይስ ኣይህበካን እየ’ ኢሉ ስለ ዝመለሰለይ እየ” በላ። ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ “ሕዝስ ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ እስራኤል ትገዝእ ዘለኻ? ተስእ፤ እንጀራ ብላዕ፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ” በለቶ። ብስም ንጉስ ኣክኣብ መልእኽቲ ፀሓፈት፤ ብማሕተሙ ድማ ሓተመት፤ ናብቶም ኣብ ከተማ ኢይዝራኤል ምስ ናቡቴ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ለኣኸቶ። ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፦ “ፆም ኣውጁ፤ ንናቡቴ ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐምጥዎ። ኣብ መንፅሩ ድማ ኽልተ ኸንቱ ዝኾኑ ሰባት ኣቐምጡ። ንሳቶም ከዓ ‘ንኣምላኽን ንንጉስን ፀሪፍካ ኢኻ’ ኢሎም ይመስክሩሉ። ንስኻትኩም ድማ ኻብታ ኸተማ ኣውፂእኹም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ” ኢላ ፀሓፈት። እቶም ሰብ ኢይዝራኤልን እቶም ኣብኣ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከምቲ ኤልዛቤል ዝለኣኸትሎም፥ ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም መልእኽትታት ተፅሒፉ ዝነበረ ገበሩ። ፆም ኣዊጆም ንናቡቴ ኣብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐመጥዎ። እቶም ከንቱ ዝኾኑ ኽልተ ሰባት ድማ መፂኦም ኣብ ቅድሚ ናቡቴ ተቐመጡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ “ናቡቴ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን እንትፀርፍ ሰሚዕናዮ” ኢሎም መስከሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣውፂኦም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቀጥዎ። ሽዑ “ናቡቴ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ሞይቱ” ኢሎም ንኤልዛቤል ለኣኹላ። ኤልዛቤል ናቡቴ ተቐጥቂጡ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት ድማ፥ ንኣክኣብ፥ “ናቡቴ በዓል ኢይዝራኤል ብህይወቱ የለን፤ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ተስእ፤ ነቲ ብገንዘብ ምሃብ ዝኣበየካ ኣታኽልቲ ወይኑ ውረሶ” በለቶ። ኣክኣብ ድማ፥ ናቡቴ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐ ተስአ፤ ክወርሶ ከዓ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ በዓል ኢይዝራኤል ዘለዎ ቦታ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ ቴስብያዊ ኸምዙይ በሎ፦ “ተስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዝነብር ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ ኽወርሶ ኢሉ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ዘለዎ ወሪዱ ኣሎ። ከምዙይ ኢልካ ኸዓ ተዛረቦ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀቲልካዮስ፥ ኣታኽልቲ ወይኑዶ ትወርስ ኣለኻ? እምበኣር፥ ኣብታ ኣኽላባት ደም ናቡቴ ዝለሓሱላ ቦታ፥ ንደምካ ድማ ኣብኣ ኣኽላባት ክልሕሱ እዮም።” ኣክኣብ ከዓ ንኤልያስ “ኣታ ፀላእየይ፥ ረኺብካኒዶ?” በሎ። ኤልያስ ድማ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንኽትገብር ንርእስኻ ስለ ዝሸጥካ እወ ረኺበካ” በሎ። ቀፂሉ ኸዓ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣነ ኽፉእ ከምፅአልካን ፈፂመ ኸጥፍአካን እየ፤ ኣብ እስራኤል ካብ ኣክኣብ ዝውለድ ኵሉ ዓብዪ ኾነ ንእሽተይ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍኦ እየ። ስለ እቲ ዘቘጣዕኻንን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሓትካዮምን፥ ንገዛኻ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባኦስ ወዲ ኣኪያን ከጥፍኣ እየ። “ብዛዕባ ኤልዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ‘ንኤልዛቤል ኣብ ፀግዒ መካበብያ ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዋ እዮም።’ “ካብ ቤት ኣክኣብ ኣብ ከተማ ንዝሞተ፥ ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፥ ኣብ በረኻ ንዝሞተ ኸዓ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን” በሎ። ሰበይቱ ኤልዛቤል ትደፋፍኦ ነበረት እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር፥ ከም ኣክኣብ ገይሩ ዝተሸጠ ሰብ ኣይነበረን። ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ፥ ደድሕሪ ጣዖታት ብምስዓቡ ብዙሕ ርኹስ ነገር ገበረ። ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቴስቢያዊ፥ “ኣክኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዶ? ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ ነቲ ኽፉእ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ብዘመን ወዱ እየ ዘምፅኦ እምበር ብዘመኑ ኣየምፅኦን እየ” በሎ። ሶርያን እስራኤልን ከዓ እንተይተዋግኡ ሰለስተ ዓመት ተቐመጡ። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ኽበፅሖ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኣገልገልቱ “ሬማት ዘገለዓድ ናትና ምዃና ትፈልጡ ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ኢድ ሶርያ ዘየምለስናያ?” ኢልዎም ነበረ። ንኢዮሳፍጥ ከዓ “ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣስ፥ ምሳይዶ ኽትከይድ ኢኻ?” በሎ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ፥ ህዝበይውን ከም ህዝብኻ፥ ኣፍራሰይውን ከም ኣፍራስካ እዮም” በሎ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፥ “ኣቐዲምካ ቓል እግዚኣብሄር ንኽትጥይቕ እልምነካ ኣለኹ” በሎ። ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ነቢያት ኣኪቡ “ንሬማት ዘገለዓድ ክዋግኣ ክኸይድዶ ወይ ክተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩሞ ውፃእ” በልዎ። ንጉስ ኢዮሳፍጥ ግና “እንጥይቖ ኻልእ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” ኢሉ ጠየቐ። ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንጥይቖ ሚክያስ ወዲ ይምላ ዝበሃል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፤ ግና ንሱ ኽፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ንጉስ፥ ከምኡ ኣይበል” በሎ። ሽዑ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ፀዊዑ “ንነቢይ ሚክያስ ወዲ ይምላ፥ ቀልጢፍካ ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ። ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ከዓ ልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ኣብ ዘዙፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ። ኵላቶም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ። ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንሶርያውያን፥ ክሳዕ ዝውድኡ፥ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ” ኢሉ ተነበየ። ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ ክቐንዐካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ዓወት ክህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ። እቲ ንሚክያስ ክፅውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከዓ “እንሆ እቶም ነቢያት ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ነቲ ንጉስ ፅቡቕ ይንበዩሉ ኣለዉ። ንስኻ ድማ በይዛኻ ኸምኣቶም ፅቡቕ ተነበ” በሎ። ሚክያስ ግና “እቲ እግዚኣብሄር ዝብለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ። ናብ ንጉስ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ኣታ ሚክያስ፥ ከይድናዶ ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣ፥ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ደይብ፤ ክቐንዐካ ድማ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዓወት ክህበካ እዩ” በሎ። እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ። ነቢይ ሚክያስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ንዅሎም ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ኣብ እምባ ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም መራሒ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ’ በለ።” እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “እዙይ ንኣይ ክፉእ እምበር፥ ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩዶ ኣይበልኩኻን?” በሎ። ሚክያስ ድማ “ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ። “እቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ ‘ሓደ ኸምዙይ፥ እቲ ሓደ ኸዓ ኸምቱይ’ በሉ። ሽዑ ሓደ መንፈስ ወፀ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ ‘ኣነ ኸጋግዮ’ በለ። “እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ። ንሱ ድማ ‘ከይደ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ‘ንስኻ ኽተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ፥ ኪድ ከምኡ ግበር’ በሎ። “ሕዚ ድማ፥ እንሆ፥ ኣብ ኣፍ እዞም ኵሎም ነቢያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣኻ ዝዛረብስ ንኣይ መኣዝ ሓዲጉኒ እዩ?” በሎ። ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ ምስ ከድካ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ። ንጉስ እስራኤል ድማ፥ “ንሚክያስ ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን፥ ናብ ወዲ ንጉስ ናብ ኢዮኣስን መሊስኩም ውሰድዎ። ‘ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ ነዝ ሰብ እዙይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንብርዎ፤ እንጀራ መከራ መግብዎ፤ ማይ መከራውን ኣስትይዎ፥ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ። ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ከዓ “ኣቱም ህዝቢ ዅልኻትኩም ስምዑኒ!” በለ። ብድሕሪዙይ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደየቡ። ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ኣነ ዝኾነ ሓሽከር መሲለ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፤ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ተኸደን” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ትርኢቱ ለዊጡ ናብ ውግእ ኣተወ። ንጉስ ሶርያ ኸዓ ነቶም ሰላሳን ክልተን ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ምስ ንእሽተይ ኮነ፥ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዙዎም ነበረ። እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ገፆም ናብኡ መለሱ። ኢዮሳፍጥ ድማ ኣእወየ። እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ከዓ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረአዩ፥ ካብ ምስጓጉ ተመለሱ። ግና ሓደ በዓል ሶርያ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ኢሉ ነታ ፍላፃ ሰደዳ እሞ፥ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። እቲ ንጉስ ሽዑ ነቲ መራሒ ሰረገላኡ “ተወጊአ እየ እሞ፥ ተመለስ ካብዝ ውግእ እዙይ ኣውፅአኒ” በሎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ። ደም ቍስሉውን ኣብ ትሕቲ እቲ ሰረገላ ይፈስስ ነበረ። ንምሸቱ ኸዓ ሞተ። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ “እቲ ንጉስ ሞይቱ እዩሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ነናብ ሃገሩ ይመለስ” ዝብል ኣዋጅ ብሰፈር እስራኤላውያን ተሰምዐ። ስለዙይ ንጉስ ኣክኣብ ሞተ፤ ናብ ሰማርያውን መፁ፤ ንንጉስ ድማ ኣብ ሰማርያ ቐበርዎ። ነቲ ሰረገላ ኸዓ ኣመናዝር ኣብ ዝተሓፀባሉ ዒላ ሰማርያ ሓፀብዎ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ቓል ድማ፥ ነቲ ደሙ ኣኽላባት ለሓስዎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣክኣብ ነገርን፥ እቲ ዅሉ ዝገበሮን፥ እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤትን፥ እተን ዝሰርሐን ኵለን ከተማታትን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣክኣብ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ክንድኡ ወዱ ኣካዝ ነገሰ። ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኢዮሳፍጥ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ዓዙባ እትብሃል ጓል ሺልሒ ነበረት። ኢዮሳፍጥ ከም ኣቦኡ ኣሳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ ገበረ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይዘምበለን። እቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ ዀረብታታት ግና ኣየግለሶን ነበረ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብቲ ዀረብታታት ንጣዖት ይስውኡን ይዓጥኑን ነበሩ። ኢዮሳፍጥ ከዓ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ገበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮሳፍጥ ነገርን፥ እቲ ዝፈፀሞ ጅግንነቱን፥ እቲ ዝተዋግኦን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ነቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ እንተይጠፍኡ ዝተረፉ ሰዶማውያን ከዓ ኻብታ ሃገር ኣጥፍኦም። ሽዑ ግና ኣብ ኤዶምያስ ንጉስ ኣይነበረን፤ ወኪል እዩ ዝገዝእ ዝነበረ። ኢዮሳፍጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ኸምፅኣ መራኽብ ተርሴስ ሰርሐ፤ ግና እተን መራኽብ ኣብ ዔፅዮንጋብር ስለ ዝተሰበራ ኣይከዳን። ሽዑ ኣካዝ ወዲ ኣክኣብ ንኢዮሳፍጥ “ኣገልገልተይ ምስ ኣገልገልትካ ብመራኽብ ይኪዱ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ግና ኣይፈተወን። ኢዮሳፍጥውን ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮራም ነገሰ። ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ ኣካዝ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ክልተ ዓመት ከዓ ኣብ እስራኤል ገዝአ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ከም ኣቦኡ ኣክኣብን ከም እኖኡ ኤልዛቤልን ከምቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ክፉእ ገበረ። ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ፥ ንበዓል ስለ ዘገልገለን ስለ ዝሰገደሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቘጥዖ። ድሕሪ ሞት ኣክኣብ፥ ሃገር ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓመፀት። ኣካዝ ከዓ ኻብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደብሪ ቤቱ ብዓይኒ ርግቢ ፀደፈ እሞ ሓመመ። ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱ “ኪዱ እሞ ዝሓዊ እንተ ኾይነ፥ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ጠይቑለይ” በሎም። ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቴስቢያዊ “ተስእ እሞ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትራኸቦም ደይብ፤ ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቑ ትኸዱ ዘለኹምስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ከዓ ብርግፅ ትመውት እምበር፥ ካብቲ ደይብካዮ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ በሎም” ኢሉ ነገሮ። ኤልያስ ከዓ ኸደ። እቶም ልኡኻት ድማ ናብ ኣካዝ ተመለሱ። ንሱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ ተመሊስኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ሓደ ሰብኣይ ክራኸበና መፀ፤ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ዝለኣኽካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብቲ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ንገርዎ በለና” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እቲ ኽራኸበኩም ዝወፀ፥ ነዝ ቃል እዙይውን ዝተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ጨጓር፥ ኣብ ሕቘኡ ኸዓ ፈልቍ ዝተዓጥቀ እዩ” በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ “ንሱ ኤልያስ ቴስብያዊ እዩ” በለ። እቲ ንጉስ ከዓ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳ ሰባት ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ። እንሆ ኸዓ ኤልያስ ኣብቲ ርእሲ እቲ ዀረብታ ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንጉስ ‘ውረድ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ። ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳ ሰባትን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳ ሰባቱን ኣቃፀሎም። እቲ ንጉስ ከዓ መሊሱ ኻልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳ ሰባቱ ገይሩ ሰደደሉ። እዙይ ከዓ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ ኣሎ” በሎ። ኤልያስ ድማ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን ኣቃፀሎም። እቲ ንጉስ ድማ መሊሱ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸዓ ናብ ኤልያስ ከደ፤ መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ተምበርኪኹ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነፍሰይን ነፍሲ እዞም ሓምሳ ኣገልገልትኻን ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን። እንሆ፥ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ኣሕሉቕ ሓምሳ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኣቃፀሎም። ሕዚ ግና ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን” ኢሉ ለመኖ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ምስኡ ውረድ፤ ኣይትፍርሓዮውን” ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከዓ ተሲኡ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ። ነቲ ንጉስ ድማ “እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ልኡኻት ዝሰደድካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብዝ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” በሎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኤልያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቓል ድማ እቲ ንጉስ ሞተ። ወዲ ስለ ዘይነበሮ ኸዓ ኽንድኡ ሓዉ ኢዮራም ነገሰ። እዙይ ከዓ ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኾነ። እቲ ዝተረፈ ኣካዝ ዝገበሮ ዅሉ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብንፋስ ኣውሎ ንሰማይ ከዕርጎ ምስ ደለየ፤ ሽዑ ኤልያስ ምስ ኤልሳዕ ካብ ጌልገላ ተልዓለ። ኤልያስ ከዓ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ክኸይድ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ፥ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ። ናብ ቤቴል ድማ ወረዱ። እቶም ኣብ ቤቴል ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ከዓ ናብ ኤልሳዕ መፂኦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ፈሊጥካ ኣለኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ድማ “እወ፥ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም። ኤልያስ ከዓ “ኣታ ኤልሳዕ፥ እግዚኣብሄር ናብ ኢያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ብህያው እግዚኣብሄርን ብህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ፤ ናብ ኢያሪኮ ኸዓ በፅሑ። እቶም ኣብ ኢያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ድማ ናብ ኤልሳዕ ቀሪቦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ ኢኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ከዓ “እወ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም። ኤልያስ ድማ “እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ክኸይድ ልኢኹኒ ኣሎ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ፤” በለ፤ ክልቲኦም ከዓ ኸዱ። ሓምሳ ኻብ ደቂ ነቢያት ከዓ ከዱ፤ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ድማ ኣብ መንፅሮም ደው በሉ። ኤልያስን ኤልሳዕን ከዓ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ደው በሉ። ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፤ ናብዙይን ናብቱይን ድማ ተመቕለ፤ ክልቲኦም ድማ ብንቑፅ ተሳገሩ። ንሱ ኸዓ “ከቢድ ነገር ለሚንካ። ካባኻ ኽውሰድ እንተለኹ እንተ ርኢኻኒ፥ ክኾነልካ እዩ፤ እንተ ዘይርኢኻኒ ግና ኣይኾነልካን እዩ” በሎ። እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኤልሳዕ ከዓ ነዙይ ሪኡ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን” ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ብድሕሪኡውን ኣይረአዮን። ነቲ ኽዳኑ ሒዙ ድማ ኣብ ክልተ ተርተሮ። ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ኣልዒሉ ኸዓ፥ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ። በቲ ካብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ገይሩ ድማ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ወቕዖ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስ፥ ኣበይ ኣሎ?” ድማ በለ። እቲ ማይ ከዓ ናብዙይን ናብቱይን ተመቕለ፤ ኤልሳዕ ከዓ ተሳገረ። እቶም ኣብ ኢያሪኮ ኣብ ማዕዶኡ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ምስ ረአይዎ ድማ “መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳዕ ሓዲሩ ኣሎ” በሉ። ክራኸብዎ መፂኦም ከዓ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኢድ ነስኡሉ። ንሳቶም ድማ “እንሆ፥ ምስ ሓሻኽርካ ሓምሳ ብፁሓት ኣጓብዝ ኣለዉ እሞ፥ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ እምባ ወይ ኣብ ሓደ ዓሚቝ ቦታ ደርቢይዎ ኸይኸውንስ፥ በይዛኻ ኸይዶም ክደልይዎ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ንሱ ግና “ኣይትስደዱ” በሎም። ክሳዕ ዝሓፍር ግዲ ምስ በልዎ ግና፥ “ስደዱ” በሎም። ሰባት ሰደዱ፤ ሰለስተ መዓልቲ እውን ደለይዎ፤ ግና ኣይረኸብዎን። ንሱ ኣብ ኢያሪኮ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ናብኡ ተመለሱ። ኤልሳዕ ድማ “ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን?” በሎም። ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸዓ ንኤልሳዕ “ከምዝ ጐይታይ እትሪኣ ዘለኻ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ሰናይ እያ፤ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፤ እታ ምድሪ እውን ፍረ ኣይትህብን” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ሓድሽ ዕትሮ ጨው ጌርኩም ኣምፅኡለይ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣምፅኡሉ። ናብታ ዓይኒ ማይ ከደ፤ ነቲ ጨው ኣብኡ ደርቢዩ ድማ “እግዚኣብሄር ‘ኣነ ነዚ ማይ ኣጥዕየዮ እየ፤ ድሕሪ ደጊም ብእኡ ሞትን ምውራድ ጥንስን ኣይኸውንን እዩ’ ይብል ኣሎ” በለ። እቲ ማይ ከዓ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ካብ እታ መዓልቲ እቲኣ ጠዓየ። ካብኡውን ናብ ቤቴል ደየበ። ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ኣናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወፂኦም “ኣታ በራሕ፥ ደይብ፤ ኣታ በራሕ፥ ደይብ” እናበሉ ኣላገፁሉ። ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ ድማ ረአዮም፤ ብስም እግዚኣብሄር ከዓ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወፂኦም፤ ካብኣቶም ኣርብዓን ክልተን ቈልዑ ሰባበሩ። ቀፂሉ ኸዓ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ከደ፤ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመለሰ። ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዓመትውን ገዝአ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ይኹን እምበር ከም ኣክኣብ ኣቦኡን ከም ኤልዛቤል እኖኡን ኣይኮነን። እኳ ደኣ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልትታት ጣዖት በዓል ኣፍረሶ። ግና ኸምቲ ንጉስ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ንእስራኤል ናብ ጥፍኣት ዘስሓተሉ ሓጢኣት ጠበቐ እምበር ካብኡ ኣይረሓቐን። ሞሳ ንጉስ ሞኣብ በዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ጡበታትን ፀጕሪ ሚእቲ ሽሕ ማጓሉን ይግብረሉ ነበረ። ኣክኣብ ምስ ሞተ ግና ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ንጉስ እስራኤል ዓመፀ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ኢዮራም ካብ ሰማርያ ወፂኡ ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ኣኽተቶ። ናብ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸዓ “ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕለይ ዓሚፁ እዩ እሞ ኽንዋግኦስ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “ሕራይ፥ ክኸይድ ኣነውን ከማኻ ድልዊ እየ፤ ህዝበይን ኣፍራሰይንውን ከም ህዝብኻን ከም ኣፍራስካን ድልዋት እዮም” በሎ። ኣስዒቡ ኸዓ “በየናይ መንገዲ ኢናኸ እንድይብ?” ኢሉ ጠየቖ። ንጉስ እስራኤል ኢዮራም ድማ “ብመንገዲ ምድረ በዳ ኤዶምያስ” ኢሉ መለሰሉ። ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምያስን ድማ ኸዱ፥ መንገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ተጕዓዙ ኸዓ፥ ንሰራዊቶምን ነተን እንስሳን ማይ ሰኣኑ። ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል “እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኽህበና ድዩ ናብዙይ ዝፀውዐና!” በለ። ኢዮሳፍጥ ግና “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቖስ፥ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ። ሽዑ ሓደ ኻብ ሓሻኽር ንጉስ እስራኤል “እቲ ናብ ኢድ ኤልያስ ማይ ዘፍስስ ዝነበረ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ እባ ኣብዙይ ኣሎ” ኢሉ መለሰ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ቃል እግዚኣብሄር ብሓቂ ብእኡ ይርከብ እዩ” በለ። ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምያስን ኮይኖም ድማ ናብ ኤልሳዕ ወረዱ። ንሱ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል “ንኣይን ንኣኻን እንታይ ዘራኽብ ኣለና? ንስኻስ ናብቶም ኣቦኻን እኖኻን ዝጥይቕዎም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኺድ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ “ኣይፋሉን፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኽህበና እዩ ዝፀውዐና” በሎ። ኤልሳዕ ኸዓ “ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይሓፍርስ፥ በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል፥ ቈላሕ ኢለ እኳ ኣይምረአኹኻን ነይረ” በሎ። “ሕዚ ኸዓ ሓደ በዓል በገና ኣምፅኡለይ” በለ። እቲ በዓል በገና ኸዓ በገናኡ ምስ ቃነየ፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ። ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብዝ ንቑፅ ሩባ እዙይ ብዙሕ ጐዳጕዲ ዀዓቱ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንፋስ ኣይትሪኡን፤ ዝናምውን ኣይትሪኡን፤ እዝ ሩባ እዙይ ግና ማይ ክመልእ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምን ከብትኹምን ናይ ፅዕነት እንስሳኹምን ክትሰትዩ ኢኹም። እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፥ ንሞኣባውያንውን ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ። ንዅለን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ንዅለን ፅቡቓት ከተማታትን ክተጥፍእወን ኢኹም። ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ከዓ ኽትቘርፁ፥ ኵሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም። ንዅሉ ዝፈሪ ግራትውን በእማን ክትመልእዎ ኢኹም።” ንፅባሒቱ ድማ ጊዜ ቝርባን ምስ በፅሐ፥ እንሆ፥ ማይ ብመንገዲ ኤዶምያስ ኣቢሉ መፀ፤ እታ ሃገር ከዓ ማይ መልአት። ኵሎም ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ክዋግእዎም ከም ዝመፁ ምስ ሰምዑ፥ ኣፅዋር ክዓጥቕ ዝኽእል ዝኾነ ኻብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ከቲቶም ኣብቲ ወሰን ቆሙ። ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ ፀሓይ ድማ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንፀባረቐት፥ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ኣብ መንፅሮም ከም ደም ቀይሑ ረአይዎ። ሽዑ “እዙይ ደም እዩ፤ እቶም ነገስታት ብርግፅ ተዋጊኦም ንስንሳቶም ተቓቲሎም ኣለዉ፤ እምበኣር ሕዚ ንዑናይ ኬድና ንዝመት” ተበሃሃሉ። ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ኸዓ እቶም እስራኤላውያን ተሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፤ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ። ንሞኣባውያን ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተዉ። ነተን ከተማታት ከዓ ኣፍረስወን፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ግራት ድማ ዅሎም እቶም ሰባት፥ ሓድሓደ እምኒ ደርብዮም መልእዎ፤ ንዅሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ድማ ቘረፅዎ። ኣእማን ቂርሓራሴት ጥራሕ ኣትረፉ፤ ንኣኣ ኸዓ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ወቕዑዋ። ንጉስ ሞኣብ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረአየ፥ ሸውዓተ ሚእቲ ሰይፊ ዝመዝዙ ሰብኡት ወሰደ፤ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ሽዑ ነቲ ኽንድኡ ዝነግስ በዅሪ ወዱ ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቦ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ብርቱዕ ቍጥዓ ኾነ እሞ፥ ካብታ ኸተማ ወፂኦም ናብ ሃገሮም ተመለሱ። ሰብኣያ ኻብ ማሕበር ነቢያት ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳዕ መፂኣ “ሓሽከርካ ሰብኣየይ ሞይቱ እዩ፤ ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ከም ዝነበረ ኸዓ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሕዚ ግና በዓል ዕዳ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኽገብሮም እንሆ መፂኡ ኣሎ” ኢላ ጠርዐት። ኤልሳዕ ድማ “እንታይ እሞ ኽገብረልኪ ትደልዪ? እስኪ ንገርኒ፥ ኣብ ቤትኪ እንታይ ኣሎ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ገረድካ እንትርፊ ሳርማ ዘይቲ ኣብ ገዛይ ሓንቲኳ የብለይን” በለቶ። ሽዑ ንሱ “ኪዲ እሞ ኻብ ወፃኢ፥ ካብ ኵለን ጐረባብትኺ ጥራሑ ዝኾነ ዓታሩ ኸም ክእለትኪ ኣብዚሕኺ ለምኒ። ምስ ደቅኺ ናብ ገዛኺ እተዊ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ሸጕርዮ፤ ነቲ ዘይቲ ኸዓ ናብ ኵሉ እቲ ዓታሩ ገልብጥዮ፤ ዘዝመልአ ኸዓ ድሕር ኣብልዮ” በላ። ንሳ ድማ ኻብኡ ኸደት እሞ፥ ገዛ ኣትያ ነቲ ማዕፆ ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ሸጐረቶ። እቶም ደቃ ድማ ዓታሩ የቕርቡላ ነበሩ፤ ንሳ ኸዓ ዘይቲ ትግልብጥ ነበረት። ኵሉ እቲ ዓታሩ ምስ መልአ ድማ ንወዳ “መሊስካ ኻልእ ዕትሮ ኣቕርበለይ” በለቶ። ንሱ ድማ “ካልእ ዕትሮ የለን” በላ። እቲ ዘይቲ ኸዓ ቖመ። ሽዑ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፂኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ “ኪዲ ነቲ ዘይቲ ሼጥኪ ዕዳኺ ኽፈሊ፤ እቲ ዝተረፈ ኸዓ ንኣኽን ንደቅኽን መናበሪኹም ይኹን” በላ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሓደ መዓልቲ ኤልሳዕ ናብ ሱነም ከደ፤ ኣብኡ ኸዓ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ እንጀራ ኽበልዕ ግዲ በለቶ። ኵልሻዕ ብኣኣ ኽሓልፍ እንተሎ ድማ እንጀራ ኽበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ። ንሰብኣያ ኸዓ “እዝ ዅልሻዕ በዙይ ዝሓልፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምዃኑ ፈሊጠ ኣለኹ። እምበኣር በይዛኻ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንእሽተይ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ጠረጴዛን ወንበርን ቀዋሚ ቐንዲልን ንግበረሉ። ናባና እንትመፅእ ድማ ኣብኣ ክሓድር እዩ” በለቶ። ኤልሳዕ ከዓ ሓደ መዓልቲ ናብ ሱነም መፀ፤ ናብታ ቤት ኣትዩ ድማ ኣብኣ ደቀሰ። ንግያዝ ሓሽከሩ ድማ “ነታ ሱናማዊት ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ኸዓ መፂኣ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። ንሳ ኸዓ “ኣብ ማእኸል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘለኹ” በለት። ግያዝ ከዓ “ውሉድ የብላን፤ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ደው በለት። ንሳ ድማ “ኣይፋልካን ጐይታይ! ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ንገረድካ ከይትሕስወኒ እልምነካ ኣለኹ” በለቶ። እታ ሰበይቲ ጠነሰት እሞ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበላ፥ ንዓመታኡ በታ ወርሓት እቲኣ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወዲ ወለደት። እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ። ሓደ መዓልቲ ኣቦኡ ምስቶም ዓፃዶ እንተሎ ናብኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ንሓሽከሩ “ሓንጊርካ ናብ እኖኡ ውሰዶ” በሎ። ሓንጊሩ ኸዓ ናብ እኖኡ ወሰዶ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ሓቚፋቶ ፀንሐት እሞ ሽዑ ሞተ። ንሳ ኸዓ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣደቀሰቶ፤ ነቲ ማዕፆውን ሸጒራቶ ወፀት። ንሰብኣያ ፀዊዓ ድማ “ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብጕያ በፂሐ ኽምለስስ፥ በይዛኻ፥ ሓደ ኻብቶም ኣገልገልትናን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ሰርቂ ወርሒ ኣይኮነ፥ ሰንበት ኣይኮነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ?” በላ። ንሳ ድማ “ደሓን” በለቶ። ሽዑ ነታ ኣድጊ ፅዒና ነቲ ኣገልጋሊኣ “ኪድ ምራሕ፤ ኣነ እንተይኣዘዝኩኻ ድማ ኣብ መንገዲ ኸይተደንጕየኒ ቐልጥፍ” በለቶ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣማዕድዩ ምስ ረአያ፥ ንሓሽከሩ ንግያዝ፥ “እታ ሱናማዊት ሰበይቲ፥ እንሆ ትመፅእ ኣላ። በይዛኻ፥ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ ‘ድሓን ዲኺ? ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ? እቲ ወድኺኸ ደሓንዶ ኣሎ?’ በላ” በሎ። ንሳ ድማ “ደሓን ኣለና” በለት። ናብቲ እምባ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ ምስ መፀት ከዓ፥ በእጋሩ ኣፅኒዓ ሓዘቶ። ግያዝ ድማ ክርሕቓ ቐረበ፤ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና “እግዚኣብሄር ካባይ ሰዊሩዎ፥ ኣይገለፀለይን እምበር፥ ነፍሳ ሓዚና እያ እሞ ሕደጋ ደኣ” በሎ። ንሳ ኸዓ “ወዲ ሃበኒ ኢለዶ ለሚነ ነይረ እየ? ኣነውን ኣይተታልለኒዶ ኣይበልኩኻን እየ” በለቶ። ሽዑ ንግያዝ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፥ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፤ ዝኾነ ሰብ እንተ ረኸብካ ኸዓ፥ ከመዓልካ ኣይትበሎ፤ ከመዓልካ እንተበለካውን ኣይትመልሰሉ። ነዛ በትረይ ድማ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንብራ” በሎ። እኖ እቲ ቘልዓ ኸዓ ንኤልሳዕ “ምሳይ እንተ ዘይኬድካስ ሓዲገካ ኸም ዘይከይድ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለቶ። ኤልሳዕ ድማ ተሲኡ ደድሕሪኣ ሰዓበ። ግያዝ ከዓ ቐዲምዎም ሓሊፉ፥ ነታ በትሪ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፤ እቲ ቘልዓ ግና ድምፂ ወይ ምስማዕ ኣይነበሮን። ሽዑ ግያዝ ንኤልሳዕ ክራኸቦ ተመለሰ፤ “እቲ ቘልዓ ኣይተስአን” ኢሉ ኸዓ ነገሮ። ኤልሳዕ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፥ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ፀንሖ። ናብታ ቤት ንበይኑ ኣትዩ ነቲ ማዕፆ ሸጐሮ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ፀለየ። ደዪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ለጥ ኢሉ፥ ኣፉ ኣብ ኣፉ፥ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፥ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ተዘርግሐውን ሰብነት እቲ ቘልዓ ሞቐ። ኤልሳዕ ድማ ኣብታ ቤት ሓደሻዕ ናብዙይ ሓደሻዕ ናብቱይ እናበለ ተዛወረ፤ መሊሱ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሸውዓተ ሻዕ ለጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ኣዒንቱ ቋሕ ኣበለ። ሽዑ ኤልሳዕ ንግያዝ ፀዊዑ “ነታ ሱነማዊት ፀውዓያ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ፀውዓ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ “እንሆ ወድኺ” ኣልዒልኪ ውሰዲ በላ። ኣትያ ኸዓ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፤ ወዳ ኣልዒላ ድማ ወፀት። ኤልሳዕ ከዓ ናብ ጌልገላ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነቢያት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነቲ ዓብዪ ቝራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነቢያት ፀብሒ ኣፍልሐሎም” በሎ። ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ሓምሊ ኽሓምል ናብ በረኻ ወፀ፤ ሃረግ በረኻ ድማ ረኸበ፤ ካብኡ ኸዓ ቘፅሊ በረኻ ኣኪቡ ኽዳኑ መሊኡ ተመለሰ፤ ቀርዲዱ ከዓ ናብቲ ናይ ፀብሒ ቝራዕ ኣእተዎ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጡን። ምእንቲ ኽበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሐሎም። ካብቲ ፀብሒ ኽበልዑ እንተለዉ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዝ ቍራዕ ሞት ኣሎ” ኢሎም ኣእወዩ። ክበልዕዎ ኸዓ ኣይከኣሉን። ሽዑ ኤልሳዕ “ሕሩጭ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣብቲ ቝራዕ ኣእትዩ ድማ “ምእንቲ ኽበልዑ፥ ነቶም ህዝቢ ፅብሑሎም” በለ። ድሕሪቱይ ኣብቲ ቝራዕ ክፉእ ነገር ኣይተረኽበን። በዓልሻሊሻ ኻብ ዝበሃል ዓዲ ድማ ሓደ ሰብኣይ መፀ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ናይ በዅራት እንጀራ፥ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሸዊት ስርናይን ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምፅአሉ። ንሱ ድማ “ክበልዕዎ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ። እቲ ኣገልጋሊኡ ኸዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰባት ከቕርበሎም እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ግና “እግዚኣብሄር፥ ‘ክበልዑ እዮም፤ ከትርፉ ድማ እዮም’ ኢሉ እዩ እሞ፥ ነቶም ህዝቢ ደኣ ሃቦም፤ ይብልዕዎ” በሎ። ሽዑ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረበሎም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ በሊዖም ኣትረፉ። ንእማን ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ዓቢይን ክቡርን ሰብ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ብእኡ ገይሩ ንሶርያ ዓወት ሂብዎም ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓቢይን ክቡርን ነበረ። ግና ለምፃም ነበረ። ካብ ሃገር ሶርያውያን ሓደጋ ዘውድቑ መፂኦም ነበሩ፤ ካብ ምድሪ እስራኤል ድማ፥ ሓንቲ ንእሽተይ ጓል ማሪኾም ወሲዶም ነበሩ። ንሳ ኸዓ ኣገልጋሊት ሰበይቲ ንእማን ኮይና ነበረት። ንሳ ንእምበይተኣ “ጐይታይስ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነቢይ እንተ ዝኸይድ ካብ ለምፁ መሕወዮ ነይሩ” በለታ። ንእማን ከዓ ኣትዩ ንጐይታኡ፥ እታ ኻብ ሃገር እስራኤል ዝመፀት ጓል፥ ከምዙይን ከምዙይን ኢላ ተዛሪባ ኢሉ ነገሮ። እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ “እምበኣርከስ ኪድ፤ ኣነ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል መልእኽቲ ኽሰደሉ እየ” በሎ። ሽዑ ንሱ ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ ብሩርን ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ወርቅን ዓሰርተ ቕያር ክዳውንትን ሒዙ ኸደ። እታ መልእኽቲ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብፅሐሉ። ንሳ “እንሆ ንእማን ሓሽከረይ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ሒዙ ይመፀካ ኣሎ እሞ፥ ካብ ለምፁ ኸም ዝሓዊ ግበር” እትብል ነበረት። እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ፥ ክዳውንቱ ቐዲዱ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ካብ ለምፁ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፥ ዝቐትልን ዘሕውንስ፥ ኣነዶ ኣምላኽ እየ? ንሱ ምኽንያት ባእሲ ይደልየለይ ከም ዘሎዶ፥ ትሪኡ ኣለኹም” በለ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኤልሳዕ፥ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዐ፥ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ? እቲ ሰብኣይ ኣብ እስራኤል ነቢይ ከም ዘሎ ኽፈልጥስ ናባይ ይምፃእ” በሎ። ስለዙይ ንእማን በፍራሱን ብሰረገላታቱን መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳዕ ደው በለ። ኤልሳዕ ከዓ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ “ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሸውዓተ ሻዕ ተሓፀብ፤ ስጋኻ ድማ ኽሓዊ እዩ” በሎ። ንእማን ግና ዀርዩ ክኸይድ ተልዓለ እሞ “እንሆ፥ ኣነስ ብርግፅ ወፂኡ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ተማህሊሉ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ለምፂ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዘሕውየኒ መሲሉኒ ነይሩ። ካብ ኵሉ ማያት እስራኤልስ እቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ኣባናን ፋርፋን ዝበሃሉ ሩባታትዶ ግዳ ኣይበልፁን፤ ኣብኡ ተሓፂበዶ ኣይምሓወኹን?” በለ። ተቘጢዑ ድማ ተመሊሱ ኸደ። ሓሻኽሩ ግና ቕርብ ኢሎም “ጐይታይ፥ እዝ ነቢይ ከቢድ ነገር እንተ ዝእዝዘካስ፥ ኣይምገበርካዮንዶ ኔርካ? ‘ተሓፀብ እሞ ሕወ’ እንተበለካ ግዳ እንታይ ኣለዎ?” ኢሎም ተዛረብዎ። ሽዑ ወሪዱ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበሎ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሻዕ ጠለቐ፤ ቈርበቱ ኸዓ ሓወየ፤ ከም ቈርበት ንእሽተይ ቘልዓ ኾይኑ ድማ ነፅሀ። ሽዑ ንእማን ምስ ኵሎም ሓሻኽሩ ተመሊሱ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፀ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ “እንሆ፥ ሕዝስ እንትርፊ ኣምላኽ እስራኤል ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ፈለጥኩ፤ ሕዚ ኸዓ፥ ካብ ሓሽከርካ ገፀ በረኸት በይዛኻ ተቐበል” በሎ። ኤልሳዕ ግና “በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ኣይቅበለካን እየ” በሎ። ንእማን ድማ ኽቕበሎ ግዲ በሎ። ኤልሳዕ ግና ኣበየ። ሽዑ ንእማን “እዙይ ምቕባል ካብ ኣበኻኒ ንኣይ ንሓሽከርካ ኽልተ ፅዕነት በቕሊ መሬት በይዛኻ ሃበኒ። ድሕሪ ደጊምስ ኣነ ሓሽከርካ ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እየ። ግና ጐይታይ ንጉስ ኣብ ቤት ጣዖት ሪሞን ኣትዩ ኽሰግድ እንተሎ ንኣይ ተመርኲሱ ስለ ዝሰግድ ኣነ ድማ ምስኡ እሰግድ እየ እሞ፥ በዝ ነገር እዙይ እግዚኣብሄር ንኣይ ንሓሽከርካ ይቕረ ይበለለይ፤ በዙይስ እግዚኣብሄር ከም በደል ኣይቝፀረለይ” በለ። ኤልሳዕ ድማ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ካብኡ ኸዓ ቑሩብ መንገዲ ኸደ። ንሱ ርሕቕ ኢሉ ምስ ከደ፥ ኣገልጋሊ ኤልሳዕ ዝኾነ ግያዝ “ጐይታይ ንሶርያዊ ምንም እንተይተቐበለ ኣሰናቢትዎ፥ ብስም እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ ብፍጥነት ኣርኪበ፥ ካብኡ ሓደ ነገር ክረክብ ኣለኒ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። ሽዑ ግያዝ ደድሕሪ ንእማን ሰዓበ። ንእማን ከዓ ደድሕሪኡ ኽጐዪ ምስ ረአዮ፥ ክቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ “ብዳሕናኻዶ?” በሎ። ግያዝ ድማ “ደሓን፥ ጐይታይ ‘እንሆ ኽልተ መንእሰይ ማሕበር ደቂ ነቢያት ካብ ደጕዓ ኤፍሬም ሕዚ መፂኦምኒ እሞ፥ በይዛኻ፥ ንኣኣቶም ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩርን ክልተ ቕያር ክዳንን ሃቦም’ ኢሉ ጐይታይ ልኢኹኒ” በሎ። ንእማን ከዓ “አረ ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ውሰድ” ኢሉ ግዲ በሎ። ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጢት ኣሲሩ፥ ከምኡውን ክልተ ቕያር ክዳውንትን ገይሩ ንኽልተ ሓሻኽሩ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ተሰኪሞምዎ ቐቅድሚ ግያዝ ከዱ። ኣብታ ኤልሳዕ ዘለዋ ዀረብታ ምስ በፅሑ ኸዓ ተቐቢሉ ኣብ ገዛኡ ኣንበሮ፤ ነቶም ሓሻኽር ንእማን ድማ ኣፋነዎም እሞ ኸዱ። ንሱ ኸዓ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኤልሳዕ ደው በለ። ኤልሳዕ ድማ “ግያዝ፥ ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ሓሽከርካ ናብ ዝኸድክዎ የብለይን” በሎ። ንሱ ድማ “ንእማን ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ኽቕበለካ እንተሎዶ ልበይ ምሳኸ ኣይከደን? ሎሚ ብሩርን ክዳውንትን ቦታ ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣብዑርን ሓሻኽርን ኣግራድን እተጥርየሉ ጊዜ ድዩ? እምበኣርከስ እቲ ለምፂ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ” በሎ። ሽዑ ሕማም ለምፂ ሓመመ፤ ቈርበቱ ኸዓ ኸም በረድ ፃዕድዩ፥ ለምፃም ኮይኑ ኻብ ቅድሚ ኤልሳዕ ወፀ። እቶም ደቂ ነቢያት ንኤልሳዕ “እንሆ እዛ ኣብ ቅድሜኻ እንነብረላ ዘለና ቦታ ፀቢባትና ኣላ። ስለዙይ ናብ ዮርዳኖስ ክንከይድ እሞ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓድሓደ ኦም ሰርወ ኣምፂእና ኣብኡ እንነብረሉ ስፍራ ኽንሰርሕ ፍቐደልና” በልዎ። ንሱ ድማ “ኪዱ” በሎም። ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ንኤልሳዕ “በይዛኻ ንስኻውን ምሳና ምስ ሓሻኽርካ ኺድ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ሕራይ እኸይድ” በለ፤ ምስኣቶምውን ከደ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ ድማ ኦም ክቘርፁ ጀመሩ። ሓደ ኻብኣቶም ኦም ክቘርፅ እንተሎ፥ እቲ ምሳር ነፂሉ ናብ ማይ ጠለቐ። ሽዑ ዓው ኢሉ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ እየ ዝገብሮ? ኣቕሓ ልማኖ እዩ” ኢሉ ኣእወየ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ “ኣበይ ወዲቑ?” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ነታ ቦታ ኣርኣዮ። ሽዑ ኤልሳዕ ዕንፀይቲ ቘሪፁ ናብኣ ደርበዮ፤ እቲ ምሳር ከዓ ፀለል በለ። ሽዑ ድማ “ውሰዶ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዶ። ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ተዋግአ። ምስቶም ሓሻኽሩ ተማኺሩ ኸዓ ተሓቢእና ኣብዙይ ክንሰፍር ኢና በለ። ኤልሳዕ ከዓ ንንጉስ እስራኤል “ሶርያውያን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣድቢዮም ኣለዉ እሞ ብኣኣ ኸይትሓልፍ ተጠንቀቕ” ኢሉ ለኣኸሉ። ስለዙይ ንጉስ እስራኤል ነታ ብናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተነግረቶ ቦታ ይሕልዋ ነበረ። ኤልሳዕ ሓንሳእ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጋጊሙ የጠንቅቖ ነበረ እሞ፥ ኣብኡ ርእሱ ኣድሓነ። ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ነገር እዙይ ተሸበረ፤ ነቶም ሹመኛታቱ ፀዊዑ ኸዓ “ካባናስ ምስ ንጉስ እስራኤል ርክብ ዘለዎ መን ከም ዝኾነዶ ኣይትነግሩንን?” በሎም። ሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ! ከምኡ ኣይኮነን፤ ግና ኤልሳዕ፥ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነቢይ፥ እቲ ኣብ መደቀሲኻ ኾይንካ ዝተዛረብካዮ ዘረባ እኳ ንንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ” በሎ። ንጉስ ሶርያ ድማ “ልኢኸ ኸምፅኦስ፥ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ረአዩ” በለ። ንሳቶም ከዓ “ኣብ ዶታይን ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ናብኣ ሰደደ፤ ብለይቲ መፂኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ። እቲ ሓሽከር ኤልሳዕ ኣንጊሁ ተሲኡ ምስ ወፀ ኸዓ፥ እንሆ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ነበሩ። ሽዑ ንኤልሳዕ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና?” በሎ። ኤልሳዕ ከዓ “ካብቶም ምስኣቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፥ ኣይትፍራሕ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ምእንቲ ኽርእስ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣዒንቲ እቲ ሓሽከሩ ኸፈተ እሞ ረአየ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ ኣብቲ ዀረብታታት ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነቲ ዀረብታ መሊኦምዎ ነበሩ። እቶም ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ኣቢሎም ምስ ወረዱ ኸዓ ኤልሳዕ “እልምነካ ኣለኹ፤ ነዚ ህዝቢ እዙይ ኣዕውሮ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳዕ ድማ ኣዕወሮ። ሽዑ ኤልሳዕ “መንገዲ ተጋጊኹም፥ እታ ኸተማ ኸዓ እዚኣ ኣይኮነትን። ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምስ ደድሕረይ ሰዓቡ” በሎም። ናብ ሰማርያ ድማ መርሖም። ኣብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኤልሳዕ “ኦ እግዚኣብሄር! ምእንቲ ኽሪኡስ ኣዒንቶም ክፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ፥ ኣብ ማእኸል ሰማርያ ኸም ዘለዉ ረአዩ። ንጉስ እስራኤል ምስ ረአዮም ከዓ ንኤልሳዕ “ኣቦይ! ክቐትሎምዶ? ክቐትሎምዶ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣይትቕተሎም፥ ነቲ ብሰይፍኻን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮ ሰብ እኳ ዘይትቐትሎ! እኳ ደኣ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ክምለሱስ እንጀራን ማይን ኣቕርበሎም” በሎ። ንሱ ኸዓ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፤ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ ኣፋነዎም። ናብ ጐይታኦም ከዓ ኸዱ። ድሕሪኡ ሰራዊት ሶርያ ናብ ምድሪ እስራኤል ሓደጋ ኸውድቑ ኣይመፁን። ድሕሪዙይ፥ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ዅሉ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ደየበ እሞ፥ ንሰማርያ ኸበባ። ኣብ ሰማርያ ድማ ብርቱዕ ጥሜት ኮነ። እንሆ ድማ፥ ርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ቕርሺ ብሩር፥ ኵስሒ ርግቢ እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መካበብያ ኽመላለስ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ዓው ኢላ “ጐይታይ ንጉስ! ርድአኒ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር ዘይረድአክስ፥ ኣነ ደኣ ኻብ ምንታይ ክረድአኪ? ካብ ዓውዲ ድዩ ወይ ካብ መፅመቊ” በላ። መሊሱ ኸዓ “እንታይከ ዄንኪ ኢኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ ‘ንወድኺ ሎሚ ኽንበልዖ ኣምፅእዮ፤ ንወደይ ከዓ ፅባሕ ክንበልዖ ኢና’ በለትኒ። ሽዑ ንወደይ ኣብሲልና በላዕናዮ፤ ንፅባሒቱ ኸዓ ‘ወድኺ ሃቢ፥ ክንበልዖ’ በልክዋ። ንሳ ግና ንወዳ ሓብአቶ” በለት። እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኽመላለስ እንተሎ ኸዓ፥ እንሆ፥ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ወጮ ኸም ዝነበሮ እቲ ህዝቢ ረአየ። ንሱ ድማ “ርእሲ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ሓዲራ፥ ኣምላኽ ከምዙይ ይግበረኒ ኸምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ መሓለ። ኤልሳዕ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፤ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከዓ ቐቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለኣኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ እንተይበፅሐ እንተሎ፥ ኤልሳዕ ነቶም ዓበይቲ “እዝ ወዲ ቐታሊ ሰብ፥ ርእሰይ ክቘርፅ ሰብ ከም ዝለኣኸዶ ትሪኡ ኣለኹም? እቲ ልኡኽ ምስ መፀ፥ ከም ዘይኣቱ ጌርኩም ነቲ ማዕፆ ሸጕርዎ። ደድሕሪኡ ኸዓ እንሆ እቲ ንጉስ ይመፅእ ኣሎ” በሎም። ኤልሳዕ ገና ምስኣቶም እናተዛረበ እንተሎ፥ እንሆ እቲ ልኡኽ መፀ። “እዝ መከራ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር ዝፅበየሉስ እንታይ ኣለኒ?” ኢሉ ተዛረቦም። ኤልሳዕ ድማ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ቓል ስምዑ” በለ። “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ሰማርያ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ብሓደ ቕርሺ ብሩር ክሽመት እዩ።” ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ። ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ለምፂ ዝሓዞም ኣርባዕተ ሰባት ነበሩ። ንስንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዙይ እንቕመጥ? ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፥ ኣብ ከተማ ጥሜት ስለ ዘሎ፥ ኣብኣ ኽንመውት ኢና፤ ኣብዙይ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና። እምበኣር ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንኺድ፤ ብህይወት እንተ ሓደጉና ብህይወት ንነብር፤ እንተ ቐተሉና ኸዓ ንመውት” ተበሃሃሉ። ፅልግልግ ምስ በለ ድማ፥ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ክኸዱ ተልዓሉ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን። ኣምላኽ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ድምፂ ሰረገላታትን ድምፂ ኣፍራስን ድምፂ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፥ ንስንሳቶም “እንሆ፥ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ግብፃውያንን ዓሲቡ ናባና ኣምፂእዎም እዩ” ተበሃሃሉ። ፅልግልግ ምስ በለ ኸዓ ተሲኦም ሃደሙ። ድንኳናቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮምን ከም ዘሎ ሓዲጎም ህይወቶም ከድሕኑ ሃደሙ። እቶም ለምፃማት እቲኣቶም፥ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፤ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፤ ከይዶም ከዓ ሓብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተዉ፤ ካብኡ ኸዓ ወሰዱ፤ ከይዶምውን ሓብእዎ። ሽዑ ንስንሳቶም “እዝ ንሕና እንገብሮ ዘለና ቕኑዕ ኣይኮነን፤ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ብስራት እያ፤ ንሕና ኸዓ ስቕ ኢልና ኣለና፤ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ እንተ ፀናሕና ድማ ኽንቅፃዕ ኢና። ሕዚ ኸዓ ንኺድ እሞ፥ ኣብ ቤት ንጉስ ንንገር” ተበሃሃሉ። መፂኦም ድማ ንሓለውቲ ደገ እታ ኸተማ ፀዊዖም “ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፤ ኣብኡ ኸዓ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳናትውን ከም ዘለዎ እምበር፥ ሰብ ኮነ፤ ድምፂ ሰብ የለን” ኢሎም ነገሩ። እቶም ሓለውቲ ኸዓ ፀዊዖም ነገሩ፥ እቲ ነገር ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተሰምዐ። እቲ ንጉስ ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ተሲኡ ንሹመኛታቱ “እቶም ሶርያውያን ብዛዕባና እንታይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ኽነግረኩም፥ ንሕና ብጥሜት ንመውት ከም ዘለና ስለ ዝፈለጡ፥ ‘ካብ ከተማ ምስ ወፁ፤ ብህይወቶም ክንሕዞም ኢና፤ ናብ ከተማ ኸዓ ኽንኣቱ ኢና’ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፥ ካብ ሰፈር ወፂኦም ኣብ በረኻ ተሓቢኦም ኣለዉ” በሎም። ሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ድማ፦ “ኣብዝ ኸተማ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ፥ ከምቶም ቅድሚ ሕዚ ዝሞቱ ሰባት ካብ ሞት ዝተርፍ የለን፥ ስለዙይ እቲ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጥ ካብዞም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ሓሙሽተ ኣፍራስ ጌርና ዝስልሉ ንስደድ ንርአውን” ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፤ እቲ ንጉስ ድማ “ኪዱ እሞ እንታይ ከም ዘሎ ርአዩ” ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውያን ሰደዶም። ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኣቶም ከዱ። እንሆ ኸዓ፥ እቶም ሶርያውያን ዝሓለፍዎ መንገዲ ዅሉ ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቑሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ። ሽዑ እቲ ህዝቢ ወፂኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ወረሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ድማ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ብሓደ ቕርሺ ብሩር ተሸመተ። እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ዋና ሓሽከሩ ነቲ ኣፍ ደገ ኽሕሉ ኣቖሞ። ግና እቲ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ፥ ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተዛረቦ ቓል፥ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረጊፆም ቀተልዎ። ከምቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንንጉስ “ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ክሽመት እዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ኸዓ ኾነ። እቲ ዋና ሓሽከር ንጉስ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ኣይኸውንን እዩ” ኢሉ መሊሱ ነበረ። ኤልሳዕውን “እንሆ በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን ኢኻ” ኢልዎ ነበረ። ከምኡ ድማ ኾነ፤ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገፅዎሞ ሞተ። እታ ሰበይቲ ኸዓ ተሲኣ ኸምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝበላ ገበረት። ንሳን ቤተሰባን ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሸውዓተ ዓመት ተቐመጡ። እተን ሸውዓተ ዓመት ምስ ተወድኣ እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመለሰት፤ ብዛዕባ ቤታን ግራታን ክትጠርዕ ናብ ንጉስ ከደት። በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ንግያዝ፥ ሓሽከር ኤልሳዕ “በይዛኻ እቲ ኤልሳዕ ዝገበሮ ዅሉ ተኣምራት ንገረኒ?” ይብሎ ነበረ። ሽዑ ግያዝ “ጐይታይ ንጉስ፥ እታ ሰበይቲ እዚኣ እያ፤ እቲ ኤልሳዕ ዘተስኦ ወዳውን እዙይ እዩ” በሎ። እቲ ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ጠየቓ፤ ንሳ ኸዓ ነገረቶ። እቲ ንጉስ ድማ ሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ሃባ እሞ “ዝነበራ ዅሉን፥ እታ ግራታ ኻብታ ዝተሰደደትላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ኽተእትዎ እትኽእል ዝነበረ ዅሉን ኣምልሰላ” በሎ። ኤልሳዕ ናብ ደማስቆ ኸደ። ንጉስ ሶርያ ወልደ ኣዴር ከዓ ሓሚሙ ነበረ፤ “እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናብዙይ መፂኡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ነገርዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣዛሄል “ገፀ በረኸት ሒዝካ ንኤልሳዕ ክትቅበሎ ኺድ እሞ ‘ካብዝ ሕማም እዙይ ክሓዊ ድየ?’ ኢልካ ንእግዚኣብሄር ጠይቐለይ ኢሉካ በለለይ” በሎ። ኣዛሄል ድማ ዘዝበለፀ ሃብቲ ደማስቆ ኣርብዓ ፅዕነት ግመል ዝኣክል ሒዙ ናብ ኤልሳዕ ከደ። ምስ ተራኸቡ ድማ “ወድኻ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ‘ካብዝ ሕማም እዙይዶ ኽሓዊ እየ?’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ። ኤልሳዕ ከዓ “ኪድ እሞ፥ ‘ምሕዋይስ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ። ግና ብርግፅ ከም ዝመውት እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ” እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ ኣዛሄል ክሳዕ ዝሽቝረር ተኲሩ ጠመቶ። ብድሕሪዙይ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ነብዐ። ኣዛሄል ከዓ “ጐይታይ ስለ ምንታይ ኢኻ ትበኪ ዘለኻ?” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፉእ ስለ ዝፈለጥኩ፥ ዕርድታቶም ብሓዊ ኽተቃፅል፥ ነጓብዞም ከዓ ብሰይፊ ኽትቀትል፥ ንህፃናቶም ድማ ኽትጭፍልቕ፥ ንጥኑሳቶምውን ከብደን ክትቀድድ ኢኻ” በሎ። ካብ ኤልሳዕ ከዓ ርሒቑ ኸደ፤ ናብ ጐይታኡውን ተመለሰ። ንሱ ኸዓ “ኤልሳዕ እንታይ ኢሉካ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣዛሄል ድማ “ብርግፅ ከም እትሓዊ ነጊሩኒ” ኢሉ መለሰሉ። ንፅባሒቱ ኣዛሄል ወጮ ወሲዱ ኣብ ማይ ኣሊኹ ዓቢሱ ቐተሎ። ክንድኡ ድማ ነገሰ። ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመቱ፤ ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ንሱ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። ግና ጓል ኣክኣብ ኣእትዩ ነበረ እሞ፥ ከም ቤት ኣክኣብ፥ ከምቲ ነገስታት እስራኤል ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝኾነ ዅሉ ገበረ። እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኽህቦም ዘተስፈዎ፥ ምእንቲ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፥ ንይሁዳ ኸጥፍኣ ኣይደለየን። ብዘመን ኢዮራም ኤዶምያስ ንይሁዳ ከይግብር ዓመፀ፤ ናይ ባዕልቶም ንጉስ ድማ ኣንገሱ። ሽዑ ኢዮራም፥ ኵሉ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ፃኢር ሓለፈ። ኤዶማውያን ከዓ ኸበብዎም። ንሱ ግና ብለይቲ ተሲኡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያን ወቕዐ፤ እቶም ህዝቢ ድማ፤ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኤዶምያስ ንይሁዳ ኻብ ምግባር ሸፈተ። ሊብናውን በቲ ጊዜ እቱይ ካብ ይሁዳ ዓመፀት። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮራም ነገርን እቲ ዅሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮራም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ። ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ ኣካዝ ወዲ ኢዮራም፥ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣካዝ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ጎቶልያ ትብሃል ነበረት። ንሳ ጓል ዖምሪ ንጉስ እስራኤል እያ። ንሱ ምስ ቤት ኣክኣብ መውስቦ ስለ ዝነበሮ፥ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኮይኑ ድማ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። ንጉስ ኢዮራም ድማ ኣብኡ ብሶርያውያን ተወግአ። ንጉስ ኢዮራም ከዓ እቲ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ እንተሎ፥ ሶርያውያን ኣብ ኣርማቴም ዝወግእዎ ቝስሊ ኸሕዊ ናብ ኢይዝራኤል ተመለሰ። ኣካዝ፥ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ኢዮራም ድማ፥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ክበፅሖ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ። ነቢይ ኤልሳዕ ድማ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነቢያት ፀዊዑ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ እዝ ዘይቲ ዝመልአ ቐርኒ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ኪድ። ኣብኣ ምስ በፃሕኻ ኸዓ፥ ንኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ፥ ወዲ ናሜሲ፥ ደሊኻ ርኸቦ፤ ካብ ማእኸል ኣሕዋቱ ኣተሲእኻ ድማ ናብ ውሽጢ ሕልፍኚ ኣእትዎ። ሽዑ ነቲ ዘይቲ ዝመልአ ቐርኒ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍስሶ እሞ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ እየ’ ይብል ኣሎ በሎ፤ ድሕሪኡ ማዕፆ ኸፊትካ ህደም፥ ኣይትደንጒ” በሎ። እቲ መንእሰይ ኣገልጋሊ ነቢይ ኤልሳዕ ከዓ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ከደ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ሓለቓ ምሳኻ እዩ” በሎ። ኢዩ ድማ ተሲኡ ናብ ቤት ኣተወ፤ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ። ኣነ ነቲ ኤልዛቤል ዘፍሰሰቶ ደም ባሮተይ ነቢያትን ደም ኵሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ሕነ ኽፈድስ ንቤት ጐይታኻ ኣክኣብ ክተጥፍኣ ኢኻ። ቤት ኣክኣብ ብምልእታውን ክትጠፍእ እያ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ኻብ ኣክኣብ ዝተወልደ ዓብዪ ኾነ ዝተኣሰረ ወይ ዘይተኣሰረ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ። ንቤት ኣክኣብ፥ ከምቲ ንቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ንቤት ባዖስ ወዲ ኣኪያን ዘጥፋእኽወን ከጥፍኣ እየ። ንኤልዛቤል ድማ ዝቐብራ ኣይህሉን፤ ንሬሳኣ ኣብ ቃድራ ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም’ ” በለ። እዙይ ምስ በለ፥ ካብታ ቤት ወፂኡ ሃዲሙ ኸደ። ኢዩ ድማ “ነዝ ሰብኣይ እዙይን ነቲ ዝበሎ ዘረባን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም” በሎም። ኢዩ ኸዓ “እግዚኣብሄር ‘ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ’ ኢሉ ኸምዙይ ከምዙይ ኢሉ ነጊሩኒ” በሎም። ሽዑ ዅሎም ቀልጢፎም ከክዳውንቶም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ፥ ኣብቲ ናይ ደብሪ መደያይቦ ኣንፀፉ፤ መለኸት እናነፍሑ ድማ “ኢዩ ነጊሱ” እናበሉ ኣወጁ። ኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ ወዲ ናሜሲ ንኢዮራም ሻራ ገበረሉ። በቲ እዋን እቱይ ንጉስ ኢዮራምን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ምእንቲ ኸይወሮም ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ኮይኖም ይሕልዉ ነበሩ። ንጉስ ኢዮራም ግና እቲ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ እንተሎ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቝስሊ ኽሕከም ናብ ኢይዝራኤል ተመሊሱ ነበረ። ኢዩ ኸዓ “ልብኹም ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑስ ከይዱ ናብ ኢይዝራኤል ምእንቲ ኸይነግር፥ ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ኣይውፃእ” በሎም። ኢዮራም ኣብ ኢይዝራኤል ሓሚሙ ደቂሱ ነበረ እሞ፥ ኢዩ ኣብ ሰረገላ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ። ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንኢዮራም ክበፅሕ ናብ ኢይዝራኤል ወሪዱ ነበረ። እቲ ኣብ ግንቢ ኢይዝራኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ሓላዊ ኸዓ ጭፍራ ኢዩ እንትመፅእ ሪኡ፥ “ጭፍራ እንትመፅእ እርኢ ኣለኹ” በለ። ኢዮራም ድማ “ሓደ ፈረሰኛ ለኣኽ እሞ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ኢሉ ይጠይቖም” በሎ። እቲ ሓላዊ ድማ “እቲ ልኡኽ ናብኣቶም በፂሑ፤ ግና ኣይተመለሰን” ኢሉ ነገረ። ኢዩ ኸዓ “ብዛዕባ ደሓን እንታይ ኣእተወካ? ናብ ድሕረይ ሓሊፍካ ተኸተለኒ” በሎ። እቲ ልኡኽ ድማ “ናብኣቶም በፂሑ፥ ግና ኣይተመለሰን። እቲ መራሒ ሰረገላ ኸዓ ኸም ዕቡድ ይጋልብ ኣሎ፤ ኣካይዳኡ ድማ ኣካይዳ ኢዩ ወዲ ናሜሲ ይመስል” ኢሉ ነገሮ። ሽዑ ኢዮራም “ሰረገላ ኣዳልዉ” በለ። ሰረገላ ድማ ኣዳለውሉ። ኢዮራም ንጉስ እስራኤልን ኣካዝ ንጉስ ይሁዳን ከዓ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ሰረገላኦም ደየቡ፤ ንኢዩ ኽዋግእዎ ድማ ወፁ፤ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኸዓ ተራኸብዎ። ንሱ ኸዓ “እቲ ናይ እኖኻ ኤልዛቤል ዝሙትን ኣምልኾ ጣዖትን እቲ ብዙሕ ጥንቍልናኣን ክሳዕ ዘሎ፥ እንታይ ሰላም ኣሎ?” ኢሉ መለሰሉ። ኢዮራም ድማ ንንጉስ ኣካዝ “ኣካዝ፥ ዓመፅ እዩ” በሎ። ኢዮራም ሰረገላኡ መሊሱ ድማ ሃደመ። ኢዩ ግና ቐስቱ ብኢዱ ገቲሩ ንኢዮራም ኣብ መንጎ መናዅቡ ወግኦ፤ እቲ ፍላፃ ድማ ብልቡ ወፀ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸዓ ድፍእ በለ። ኢዩ ንቢድቃር ሓለቓ ሰረገላታቱ “ኣልዒልካ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ደርብዮ፤ እቲ ኣነን ንስኻን ኣብ ፈረስ ተቐሚጥና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣክኣብ ክንስዕብ እንተለና፥ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ከም ዝተዛረበሉ ዘክር፦ ‘ነቲ ደም ናቡቴን ደም ደቁን ብርግፅ ትማሊ ሪአዮ እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ክፈድየካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ወሲድካ ኣብታ ግራት ናቡቴ ደርብዮ” በሎ። ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዙይ ምስ ረአየ፥ ብመንገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሃደመ። ኢዩ ግና “ንእኡውን ውግእዎ” እናበለ ደድሕሪኡ ሰዓበ። ኣብታ ጥቓ ይብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከዓ ኣብ ሰረገላኡ እንተሎ ወግእዎ። ግና ኽሳዕ መጊዶ ሃደመ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ። እቶም ሓሻኽሩ ኸዓ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ። ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ድማ ቐበርዎ። ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ብድሕሪዙይ ኢዩ ናብ ኢይዝራኤል መፀ፤ ኤልዛቤል ነዙይ ምስ ሰምዐት ኣዒንታ ተዅሒላ ርእሳውን ተቘኒና ብመስኮት ኮይና ትጥምት ነበረት። ኢዩ በቲ ኣፍ ደገ ምስ ኣተወ ድማ “ኣታ ቐታሊ ጐይታኡ ዘምሪ፥ ኢዩ ኸዓ ገፁ ናብ መስኮት ኣንቃዕሪሩ፥ “ምሳይ ዝሓብር መን ኣሎ? መን?” በለ። ሽዑ ኽልተ፥ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ንታሕቲ ጠመቱ። ንሱ ድማ “ኣፅድፍዋ” በለ። ንሳቶም ድማ ኣፅደፍዋ እሞ፥ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነፅገ፤ ረጊፁዋውን ሓለፈ። ኣትዩ ድማ በልዐን ሰተየን፤ ብድሕሪኡ “በይዛኻትኩም፥ ርግምቲ እኳ እንተ ኾነት ጓል ንጉስ እያ እሞ ወሲድኩም ቅበርዋ” ኢሉ ኣዘዘ። ክቐብርዋ ኸዓ ኸዱ፤ ግና እንትርፊ ሓምሓም ርእሳን፥ ሸዀና እግራን፥ ግናዕ ኣእዳዋን ካልእ ኣይረኸቡላን። ተመሊሶም ድማ ነገርዎ፤ ኢዩ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “እዙይ እቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ ኤልያስ ቴስብያዊ ዝበሎ እዩ፦ ንስጋ ኤልዛቤል ኣብ ግራት ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም። ሬሳ ኤልዛቤል ድማ እዚኣስ ኤልዛቤል እያ ኢሉ ዘለልያ ኽሳዕ ዘይርከብ ኣብ ልዕሊ ግራት ኢይዝራኤል ከም ድዅዒ ክኸውን እዩ።” ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። ኢዩ ድማ ናብ ሰማርያ፥ ናብ ኣሕሉቕ ኢይዝራኤል፥ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣክኣብን ከምዙይ ዝብል መልእኽቲ ፅሒፉ ሰደደ፦ “ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝተዓረደ ኸተማን ኣፅዋርንውን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ሕዚ ኸዓ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ በፅሐትኩም፥ ካብቶም ደቂ ጐይታኹም ንጉስ እቲ ዝበለፀን ዝሐሸን ርኢኹም ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ እሞ ምእንቲ ቤት ጐይታኹም ተዋግኡ” ኢሉ ናብ ሰማርያ ለኣኸ። ንሳቶም ግና እምብዛ ተሸበሩ እሞ “እንሆ፥ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ክቆሙ፥ ዘይከኣሉስ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ንቐውም?” በሉ። ስለዙይ እቲ ኣዛዚ ቤትን እቲ ኣዛዚ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና፤ ዝበልካና ዅሉ ንገብር፤ ደስ ዘብለካ ደኣ ግበር እምበር፥ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና” ኢሎም ናብ ኢዩ ለኣኹሉ። ሽዑ ኢዩ ኻልኣይ ጊዜ “ንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን እንተ ሰሚዕኩምስ ኣራእስ እቶም ሰብዓ ደቂ ጐይታኹም ሒዝኩም፥ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ናብ ኢይዝራኤል ናባይ ኣምፅኡለይ” ኢሉ መልእኽቲ ፀሓፈሎም። እቶም ሰብዓ ደቂ ንጉስ ድማ ምስቶም ዘዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ እዮም ዝነበሩ። እታ መልእኽቲ ምስ በፅሐቶም፥ ነቶም ሰብዓ ደቂ ንጉስ፥ ሒዞም ሓረድዎም፤ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ኢይዝራኤል ናብ ኢዩ ሰደድዎ። ልኡኽ መፂኡ ኸዓ “ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምፂኦምዎ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ “ክሳዕ ፅባሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ኣብ ክልተ ዅምራ ግበርዎ” በለ። ንፅባሒቱ ወፂኡ ድማ ነቲ ዅሉ ህዝቢ “ንጐይታይ ሻራ ዝገበርኩሉን ዝቐተልክዎን ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ንፁሃት ኢኹም። ነዚኣቶም ኵሎም ደኣ መን ቀተሎም? እምበኣርከስ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤት ኣክኣብ ዝተዛረቦ ቓል ሓደ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወድቕ ፍለጡ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ፈፀሞ” በሎም። ኢዩ ኸዓ ኣብ ኢይዝራኤል ካብ ቤት ኣክኣብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዅሎምን ንዅሎም ዓበይቱን ፈተውቱን ካህናቱን ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም። ድሕሪዙይ ኢዩ ኻብ ኢይዝራኤል ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ሰማርያውን ከደ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ዘላ “ቤት ሓለውቲ ኣባጊዕ” ናብ እትበሃል ቦታ ምስ በፅሐ፥ ነሕዋት ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ “ንስኻትኩም እንመን ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕና ኣሕዋት ኣካዝ ኢና፤ ንደቂ ንጉስን ንደቂ ንግስትን ሰላም ክንብል ድማ ንወርድ ኣለና” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ብህይወቶም ሓዝዎም” በለ። ነቶም ኣርብዓን ክልተን ሰባት ከዓ ብህይወቶም ሒዞም ኣብቲ ጥቓ “ቤት ሓለውቲ ኣባጊዕ” ኢዩ ኻብኡ ምስ ሓለፈ፥ ንኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ መንገዲ ረኸቦ፤ ሰላም ምስ በሎ ድማ “ኣነ ኸምቲ ናትካ እየ ዝሓስብ፤ ንስኻኸ ኸምቲ ሓሳባተይ ድዩ ሓሳብካ?” በሎ። ኢዮናዳብ ከዓ “እወ፥ ከምኡ እዩ” በሎ። “ከምኡ እንተ ደኣ ኾይኑስ ኢድካ ሃበኒ” በሎ። ኢዱ ድማ ሃቦ። ናብ ሰረገላ ኸዓ ናብኡ ኣደየቦ። “ምሳይ ነዓ እሞ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘለኒ ቕንኣት ረአ” ድማ በሎ። ኣብ ሰረገላ ተቐሚጦም ከዓ ብሓደ ኸዱ። ናብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ ኸዓ ኢዩ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ዝተዛረቦ ቓል ካብ ኣዝማድ ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ንዝተረፉ ዅሎም ቀተሎም። ኢዩ ድማ ንብዘሎ ህዝቢ ኣኪቡ “ኣክኣብ ንበዓል ቁሩብ እዩ ዘገልገሎ፤ ኢዩ ግና ኣብዚሑ ኸገልግሎ እዩ። ሕዚ ኸዓ፥ ንጣዖት በዓል ብዙሕ ዝስውኦ ኣለኒ እሞ፥ ንዅሎም ነቢያት በዓልን፥ ንኵሎም ኣገልገልቱን ንኵሎም ካህናቱን ፀውዑለይ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸይተርፍ፤ ዝተርፍ እንተ ሃልዩ ብህይወት ኣይነብርን እዩ” በሎም። እዙይ ግና ኢዩ ነቶም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል ምእንቲ ኸጥፍኦም ኢሉ ዝሓሰቦ ተንኰል ነበረ። ኢዩ ኸዓ “ንጣዖት በዓል ዓብዪ በዓል ግበሩሉ” በለ። ንሳቶም ድማ በዓል ኣወጁ። ኢዩ ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል ለኣኸ፤ ኣገልገልቲ በዓል ከዓ ዅሎም መፁ፤ እንተይመፀ ዝተረፈ ሰብ ኣይነበረን። ናብ ቤት ጣዖት በዓል ድማ ኣተዉ፤ ቤት ጣዖት በዓል ከዓ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መልአት። ነቲ ሓላዊ ቅዱሳት ኣልባስ ድማ “ንዅሎም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል ኣልባስ ኣውፅአሎም” በሎ። ንሱ ኸዓ ኣልባስ ኣውፅአሎም። ሽዑ ኢዩ ምስ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ፥ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ኣተዉ እሞ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል “ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ሓደ ኸይህሉ ኣስተብሂልኩም ረአዩ” በሎም። ኢዩን ኢዮናዳብን ከዓ መስዋእቲ ሕሩድን ዝቃፀል መስዋእትን ክስውኡ ኣተዉ። ኢዩ ግና ሰማንያ ሰብ ብወፃኢ ኣቐሚጡ “ካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘለኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፥ ክንዲ እቲ ዘምለጠ፥ እቲ ኸምልጥ ዝገበረ ሰብ ክቕተል እዩ” ኢልዎም ነበረ። ኢዩ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈፀመ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣዘዝቶምን “እተዉ፤ ቅተልዎም! ሓደ ሰብ እኳ ኸየምልጥ” በሎም። እቶም ሓሻኽርን ኣዘዝቶምን ድማ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም፤ ካብታ ቤት ጣዖት በዓል ኣውፂኦም ነቲ ሬሳኣቶም ደርበይዎ እሞ ናብ ከተማ ቤት ጣዖት ኣተዉ። ነቲ ኣብ ቤት ጣዖት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከዓ ኣውፂኦም ኣንደድዎ። ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፤ ነታ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ መውፅኢ ቐልቀል ገይሮምዋ ኣለዉ። ኢዩ ኸምዙይ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍአ። ግና ካብቲ ንእስራኤል ዝስሐተ ካብ ኢዮርብዓም ወዲናባጥ ሓጢኣት፥ ኣብ ቤቴልን ኣብ ዳንን ካብ ዝነበሩ ምስሊ ወርቂ ምራኹት ኢዩ ኣይረሓቐን። እግዚኣብሄር ድማ ንኢዩ “ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዝኾነ ኣፀቢቕካ ስለ ዝገበርካ፥ ንቤት ኣክኣብውን ከምቲ ዅሉ ኣብ ልበይ ዝነበረ ስለ ዝገበርካያ፥ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” በሎ። ግና ኢዩ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን፤ ከምቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ካብ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ኣይረሓቐን። በቲ ጊዜ እቱይ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክኸፋፍሎም ጀመረ። ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ድማ ንእስራኤል ኣብ ኵሉ ወሰናቶም ወቕዖም። ነታ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ደቂ ምናሴን ዝቕመጡላ፥ ካብ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ዘላ ዅላ ምድሪ ገለዓድ ሰዓራ። ካብታ ኣብ ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ ንገለዓድን ንባሳንን ከዓ ሰዓረን። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዩ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዩ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያ ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣካዝ ነገሰ። ኢዩ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ሸሞንተን ዓመት ነገሰ። ጎቶልያ እኖ ኣካዝ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየት፥ ተሲኣ ንዅሉ ዘርኢ መንግስቲ ኣጥፍኣት። ግና ዮሳቤት ጓል ንጉስ ኢዮራም፥ ሓፍቲ ኣካዝ፥ ንኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ካብ ማእኸል እቶም ዝተቐትሉ ደቂ ንጉስ ኣምሊቛ ወሰደቶ እሞ፥ ንእኡን ንመጕዚቱን ናብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ጎቶልያ ሓብአቶ፤ እንተይተቐተለ ድማ ተረፈ። ምስኣ ተሓቢኡ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ጎቶልያ ነጊሳ ነበረት። በታ ሻውዐይቲ ዓመት ከዓ ኻህን ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሓለውቲ ንጉስን ሓለውቲ ቤተ መንግስትን ልኢኹ ኣምፅኦም፤ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፤ “ኪዳን እተዉለይ” ኢሉ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሓሎም፤ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርኣዮም። ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ሓደ ሲሶ ኻብቶም ብሰንበት ስራሕ ዝኣትዉ፥ ቤተ መንግስቲ ይሓልዉ፤ ሓደ ሲሶ ድማ ነታ ሱር እትበሃል ደገ ይሓልዉ፤ እቶም ዝተረፉ ሓደ ሲሶ ኸዓ ብድሕሪ እቶም ነታ ቤተ መቕደስ በብተራ ዝሕልዉ ሓሻኽር ኮይኖም ይሓልዉዋ። እቶም ብሰንበት ዘዕርፉ ኽልተ ኽፍሊ ድማ ንንጉስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ይሓልውዎ። ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ ኣፅዋርኩም ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ንንጉስ ኢዮኣስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። ነቲ ኣብ ማእኸል ሰልፍኹም ዝኣቱ ድማ ቕተልዎ። እቲ ንጉስ ክወፅእን ክኣቱን እንተሎ ኸዓ፥ ምስኡ ኹኑ” በሎም። እቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ድማ ኸምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ኵሉ ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ሰሰቦም ሒዞም ነቶም ብሰንበት ዝሰርሑን ብሰንበት ዝዓርፉን ሒዞም ናብ ካህን ዮዳሄ መፁ። እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናታቱን ዋልታታቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሃቦም። እቶም ሓለውቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሮም ክሳዕ ፀጋማይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤተ መቕደስን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቆሙ። ሽዑ ኻህን ዮዳሄ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኡ ዘውዲ ደፍአሉ፤ መፅሓፍ ኪዳን ድማ ሃቦ። ቀቢኦምውን ኣንገስዎ፤ እናጣቕዑ ድማ “ንጉስ ሽሕ ዓመት ይንገስ” በሉ። ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም ሓለውትን ህዝብን ምስ ሰምዐት፥ ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት። እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓምዲ ቖይሙ ነበረ፤ እቶም ኣዘዝትን እቶም መለኸት ዝነፍሑን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት። ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙት” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም። ሽዑ ሓዝዋ፤ ናብቲ ኣፍራስ ዝኣትዉሉ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ እውን ወሰድዋ፤ ኣቡኡ ድማ ቐተልዋ። ዮዳሄ ድማ እቶም ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ቃል ኪዳን ገበረ፤ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብንውን ቃል ኪዳን ገበረ። ዮዳሄ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበረ። ዮዳሄ ምስቶም ኣዘዝትን ሓለውቲ ንጉስን ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ሓሻኽርን ህዝብን ኮይኑ፤ ንንጉስ ኢዮኣስ ካብ ቤት እግዚኣብሄር በታ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ገይሮም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅእዎ። ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ዙፋን ነገስታት ተቐመጠ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጐሰ። ጎቶልያ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተቐቲላ ስለ ዝነበረት እታ ኸተማ ሃድአት። ኢዮኣስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ። ኢዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ፤ ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሳብያ እትበሃል በዓልቲ ቤርሳቤህ ነበረት። ኢዮኣስ ከምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝመሃሮ፥ ብዅሉ ዘመኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዘምልኹሉ ስለ ዘየወገደ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ኢዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት “ኵሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣቱ ዝተቐደሰ ገንዘብ፥ ስለ ነፍሱ ዋጋ ዘቕርቦ ገንዘብን፥ ብፍቓድ ልቦም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ ገንዘብን ኣክብዎ። እቲ ህዝቢ ኽቝፀር እንተሎ ዝኸፍሎ ገንዘብን፥ እቲ ሰብ ብመብፅዓን ብድልየቱን ዝኸፍሎ ገንዘብን ኣክብዎ። እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ዝተኣከበ ይውሰዱ፥ ንዝፈረሰ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይፀግንዎ” በሎም። ይኹን እምበር እቶም ካህናት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣይፀገንዎን ነበሩ። ሽዑ ንጉስ ኢዮኣስ ብዛዕባኡን ዮዳሄን ነቶም ካልኦት ካህናትን ፀዊዑ “ስለ ምንታይ ኢኹም ነዛ ቤተ መቕደስ ዘይፀገንኩምዋ? ሕዚ ኸዓ እቲ ንመፀገኒ ቤተ መቕደስ ዝተቐበልኩምዎ ገንዘብ ኣምፅእዎ እምበር ኣባኻትኩም ኣይቀመጥ” በሎም። እቶም ካህናት ድማ ኻብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱ፥ ነቲ ዝፈረሰ ወገን ቤተ መቕደስ ከዓ ኸይፅግኑ ተሰማምዑ። ዮዳሄ ግና ሓደ ሳፁን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረሉ፤ ኣብ ጥቓ መሰውኢ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መእተዊ ብወገን የማን ኣንበሮ። እቶም በሪ ዝሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ዅሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተውዎ። ኣብቲ ሳፁን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረአዩ፥ ናይ ንጉስ ፀሓፍን እቲ ሊቀ ካህናትን ከይዶም፥ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ገንዘብ ቈፂሮም ኣብ ከረጢት ኣሰርዎ። እቲ ዝተመዝነ ገንዘብ ድማ ነቶም ዝሰርሑ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ሃብዎም። ንሳቶም ከዓ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ፀረብቲ ዕንፀይትን ሃነፅትን፥ ነደቕትን ወቐርቲ እምንን ይኸፍሉሉ ነበሩ። ከምኡውን ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ዕንፀይትን ውቑር እምንን ይዕድጉሉ ነበሩ፤ ኵሉ ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝወፀ ገንዘብ ድማ ይኸፍሉሉ ነበሩ። እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ነቶም ዝሰርሑ ሃብዎም፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ፀገኑሉ እምበር፥ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሄር ዘድሊ ፃሕሊ ብሩር፥ መሳቐዪታት፥ ጭሐሎታት፥ መለኸት፥ ሓደ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይዓደጉሉን። ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ፥ እቲ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ብእምነት ይሰርሕዎ ስለ ዝነበሩ፥ ዝቈፃፀሮም ኣይነበረን። እቲ ኽንዲ መስዋእቲ በደልን ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝኽፈል ገንዘብ ንኻህናት ደኣ ኾነ እምበር ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ሳፁን ኣይኣተወን። ሽዑ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፥ ንጌት ተዋጊኡ ሓዛ። ንኢየሩሳሌም ክወግኣ ድማ ገፁ ኣቕንዐ። ኢዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ እቲ ኣቦታቱ ኢዮሳፍጥን ኢዮራምን ኣካዝ፥ ነገስታት ይሁዳ፥ ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ዅሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝወፈዮን፥ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መንግስትን ዝተረኽበ ዅሉ ወርቂ ኣኪቡ፥ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ። ንሱ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ሓዲጉዋ ተመለሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ንኢዮኣስ ድማ ኣገልገቱ ሻራ ገበሩሉ፤ ኣብታ ናብ ሲላ እተውርድ መንገዲ፥ ኣብ ቤት ሚሎውን ቀተልዎ። እቶም ዝቐተልዎ ሹመኛታቱ፥ ዮዘካር ወዲ ሰምዓትን ዮዛባት ወዲ ሾሜርን ይበሃሉ ነበሩ። ምስ ሞተ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሜስያስ ነገሰ። ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ከዓ ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ሓጢኣት ናይቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ተኸተለ፤ ካብኣውን ኣይረሓቐን። ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ብዅሉ እቲ ዘመን እቱይ ኣብ ኢድ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ወዱ ወልደ ኣዴርን ኣሕሊፉ ሃቦም። ኢዮኣካዝ ከዓ ንእግዚኣብሄር ለመነ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ዘጨነቖም ጭንቀት ሪኡ ናይ ኢዮኣካዝ ፀሎት ሰምዐ። እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ሶርያውያን ዘድሕኖም መራሒውን ሃቦም፤ ካብ ኢድ ሶርያውያንውን ደሓኑ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸም ቀደሞም ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ። ግና ብኣኣ ኸዱ እምበር፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣት ቤት ኢዮርብዓም ኣይረሓቑን። ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብ ሰማርያ ቖይማ ነበረት። እቲ ንጉስ ሶርያ ኣጥፊኡዎም ነበረሞ፥ ኣብ ዓውዲ ኸም ዘሎ ብቝቡቕ ኣድቂቑዎም ነበረሞ፥ ንኢዮኣካዝ እንትርፊ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን ካልእ ኣየትረፈሉን ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣካዝ ነገርን ኵሉ ዝገበሮ ጅግንነቱን ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮኣካዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣስ ነገሰ። ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ገዝአ። ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ከደ እምበር፥ ካብኣ ኣይርሓቐን። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝተዋግአሉ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮኣስ ሞተ፤ ምስ ነገስታት እስራኤል ከዓ ኣብ ሰማርያ ተቐበረ። ወዱ ኢዮርብዓም ድማ ኣብ ዙፋኑ ተቐመጠ። ኤልሳዕ ከዓ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ፤ ክመውት ምስ ቀረበ ኸዓ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ናብኡ ወሪዱ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን” ኢሉ በኸየ። ኤልሳዕ ከዓ “ቀስትን ፍላፃታትን ውሰድ” በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላፃታትን ወሰደ። ነቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ “ክትውርውር ተዳሎ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ኤልሳዕ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ንጉስ ገይሩ፥ “ነቲ ናይ ምብራቕ መስኮት ክፈቶ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ። ኤልሳዕ ከዓ “ወርውር” በሎ። ምስ ወርወረ ድማ፥ ኤልሳዕ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ፍላፃ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ብኣኻ ገይሩ ንሶርያውያን ክስዕሮም እዩ፤ ክሳዕ እትስዕሮም ከዓ ኣብ ኣፌቅ ክትዋግኦም ኢኻ” በሎ። መሊሱ “ካልእ ፍላፃታት ኣልዕል እሞ ንምድሪ ውቕዓያ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ሰለስተ ሻዕ ወቒዑ ደው በለ። ሽዑ ኤልሳዕ ኰረየሉ እሞ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሻዕ ወቒዕካያ እንተ እትኸውን ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምስዓርካዮም ኔርካ። ሕዚ ግና ሰለስተ ሻዕ ጥራሕ ክትስዕሮም ኢኻ” በሎ። ኤልሳዕ ሞተ እሞ ቐበርዎ። ዓመት ዓመት ከዓ ሓደጋ ዘብፅሑ ኻብ ሞኣብ ናብ ምድሪ እስራኤል ይመፁ ነበሩ። ሓደ እዋን ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ክቐብሩ እንተለዉ፥ እንሆ፥ እቶም ሓደጋ ዘብፅሑ ተርኣዩ፤ እቶም ቀባሮ ድማ ነቲ ሬሳ ናብቲ መቓብር ኤልሳዕ ደርበይዎ። እቲ ሬሳ ኸዓ ኣዕፅምቲ ኤልሳዕ ምስ ነኽአ፥ ሓወየ፤ በእጋሩ ድማ ደው በለ። ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ብዅሉ ዘመን ኢዮኣካዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም። እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ራህርሀሎም፤ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ገፁ መለሰሎም እምበር ከጥፍኦም ኣይደለየን። ክሳዕ ሕዚ እውን ካብ ቅድሚኡ ኣየርሓቖምን። ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ወልደ ኣዴር ነገሰ። ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ድማ ንወልደ ኣዴር ሰለስተ ሻዕ ሰዓሮ፤ ነተን ኣዛሄል ብውግእ ካብ ኢድ ኣቦኡ ኢዮኣካዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ከዓ ኣምለሰን። ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ዮዓዳ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ግና ኸምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኢዮኣስ ዝገበሮ ደኣ ገበረ እምበር፥ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይገበረን። ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዘምልኹሉ ዝነበሩ ኣየወገዶን ነበረሞ፥ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። መንግስቲ ምስ ፀንዐሉ፥ ነቶም ነቦኡ ኢዮኣስ ዝቐተሉ ኣገልገልቲ ቐተሎም። ግና፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ “ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፥ ኣቦታት ክንዲ ደቂ ኣይሙቱ፤ ደቂውን ክንዲ ኣቦታት ኣይሙቱ” ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ነቶም ደቂ ቐተልቲ ኣይቀተሎምን። ኣሜስያስ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ኤዶማውያን ቀተለ፤ ንሴላ ኸዓ ብውግእ ሓዛ፤ ስማ ድማ ኸምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፥ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ። ሽዑ ኣሜስያስ ናብ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ፥ ንጉስ እስራኤል “ነዓ ንስንሳትና ገፅ ንገፅ ንርአአ!” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ “እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኳኲቶ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ዝግባ፦ ‘ንወደይ ሰበይቲ ኽትኮኖስ ጓልካ ሃበኒ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣራዊት በረኻ ድማ ሓለፈ፤ ነቲ ኳኲቶ ኸዓ ረገፆ። ንኤዶምያስ ስለ ዝሰዓርካ፥ ልብኻ ተዓብዩ ኣሎ። ክበር፤ ኣብ ቤትካ ዓሪፍካ እንተ ተቐመጥካ ይሕሸካ፤ ንስኻን ህዝብኻን ንኽትጠፍኡ ኢልካስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ?” ኢሉ ለኣኸሉ። ኣሜስያስ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ምስ ሰራዊቱ ደየበ እሞ፥ ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት ሳሚስ ተዋግኡ። ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ንኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ቤት ሳሚስ ማረኾ፤ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ መካበብያ ኢየሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ክልተ ሚእቲ ሜትር ኣፍረሰ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ዝተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣቑሑን ወሰደ፤ ተዓጊቶም ዝነበሩ ሰባትውን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመለሰ። እቲ ዝተረፈ ኢዮኣስ ዝገበሮ ነገርን ጅግንነቱን እቲ ምስ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝተዋግኦን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮኣስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ነገስታት እስራኤል ከዓ ኣብ ሰማርያ ተቐበረ። ኢዮርብዓም ወዱ ኸዓ ኽንድኡ ነገሰ። ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ፥ ንጉስ ይሁዳ፥ ድሕሪ ሞት ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ንጉስ እስራኤል፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፀንሐ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሜስያስ ነገር፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ማሕላ ዓመፅ ገበሩሉ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ላኪሶ ሃደመ። ደድሕሪኡ ድማ ናብ ላኪሽ ሰባት ሰዲዶም ኣብኣ ቐተልዎ። ሬሳኡ በፍራስ ፅዒኖም መለስዎ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐበረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ፥ ነቲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ዝገበረ ኣዛርያስ ወዱ ወሲዶም ክንዲ ኣቦኡ ኣሜስያስ ኣንገስዎ። ንሱ፥ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ኣሜስያስ ንኤላት ከም ብሓድሽ ሰርሓ፤ ናብ ይሁዳ ድማ ኣምለሳ። ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝአ። ንሱ ኸምቲ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነገር ገበረ፤ ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን። ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብባርያኡ ነቢይ ዮናስ ወዲ ኣማቴ በዓል ጋትሔፌር ዝተዛረቦ ቓል፥ ነቲ ምድሪ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዘእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር መከራ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፥ እቲ እሱር ኮነ ዘይእሱር ከም ዝጠፍአ፥ ንእስራኤል ከዓ ረዳኢ ኸም ዘይብሉ ስለ ዝረአየ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ ፍቓዱ ስለ ዘይነበረ፥ ብኢድ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ኣድሓኖም። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጅግንነቱን፥ ከመይ ከም ዝተዋግአ፥ ነተን ናይ ይሁዳ ኾይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከዓ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮርብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ምስ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ። ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ኣዛርያስ ወዲ ኣሜስያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገዝአ። እኖኡ ኸዓ የኮልያ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኣሜስያስ ዝገበሮ፥ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖት ዘምልኹሉ ስለ ዘየፍረሶ፥ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ኣብ ዘለዉ መስገዲታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ኣዛርያስ ቀሰፎ፤ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ ለምፃም ኮነ። ኣብ ፍሉይ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ኢዮኣታም ወዲ ንጉስ ድማ ኽንዲ እቲ ንጉስ ኮይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር የመሓድር ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣዛርያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ኢዮኣታም ወዱ ነገሰ። ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ፥ ዘካርያስ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ሽዱሽተ ወርሒ ኸዓ ገዝአ። ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን። ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ድማ ተማሓሓለሉሞ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፤ እንሆ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? እቲ እግዚኣብሄር ንኢዩ “ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ትውልዲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” ኢሉ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ቓል እዙይ ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ኾነ። ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ እስራኤል ነገሰ፤ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ድማ ሓንቲ ወርሒ ገዝአ። ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸዓ ኻብ ቴርሳ ናብ ሰማርያ ደዪቡ፥ ንሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡውን ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎም ነገርን እቲ ዝተመሓሓሎ ዓመፅን ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ። ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳ ኽዋግኣ ኻብ ቴርሳ ምስ መፀ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ክኸፍቱ ኣይደለዩንሞ፥ ንሱ ኸዓ ነታ ኸተማ ወቕዓ፤ ነተን ኣብኣ ዝነበራ ጥኑሳት ከዓ ኸብደን ቀደደን። ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዓሰርተ ዓመት ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን። ፎሓ ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ወፀ። ምናሔም ከዓ ነታ መንግስቱ ኣብ ኢዱ ንኸፅንዐሉ ኢድ ፎሓ ምስኡ ንክኸውን፥ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር ሃቦ። እዝ ብሩር እዙይ ካብቶም ሃብታማት እስራኤል፥ ካብ ነፍሲ ወከፎም ሓምሳ ቕርሺ ብሩር ኣገዲዱ ዝኣከቦ እዩ። ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብ ሃገሩ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገርውን ኣይተቐመጠን። እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ምናሔም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ፋቂስያስ ነገሰ። ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ፥ ፋቂስያስ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን፤ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ንፋቂስያስ ተመሓሓለሉ። ካብ ገለዓድ ሓምሳ ሰብ ምስኡ ወሲዱ ድማ ኣብ ሰማርያ ኣብ ዕርዲ ቤተ መንግስቲ ቐተሎ። ምስኡ ድማ ንኣርጎብን ኣርያን ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቂስያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዕስራ ዓመት ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን። ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም። ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሻራ ገበረሉ። ወቒዑ ምስ ቀተሎ ድማ ኽንድኡ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቁሔ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኢየሩሳ እትበሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት። ኢዮኣታም ከምቲ ኣቦኡ ዖዝያ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ። ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዝምለኸሉ ኣየወገዶን ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐውን ኢዮኣታም ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ነገርን፥ ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? እግዚኣብሄር፥ ንረኣሶን ንጉስ ሶርያን ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንይሁዳ ኽዋግእዋ ክሰዶም ጀመረ። ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ። ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ፥ ኣካዝ ወዲ ኢዮኣታም ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣካዝ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራ ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን፤ እኳ ደኣ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ከደ፤ ከም እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዘፀይፍ ብምግባርውን ወዱ ንጣዖት ብሓዊ ሰውአ እምበር። ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ሽዑ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንኢየሩሳሌም ክወግእዋ ደየቡ። ንኣካዝ ድማ ኸበብዎ፤ ከሸንፍዎ ግና ኣይከኣሉን። በታ ጊዜ እቲኣ ረኣሶን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ናብ ሶርያ መለሳ እሞ፥ ነቶም ኣይሁድ ካብ ኤላት ሰጐጎም፤ ኤዶማውያን ከዓ ናብ ኤላት መፂኦም ኽሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ። ኣካዝ ከዓ ናብ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ሰዲዱ “ኣነ ባርያኻን ወድኻን እየ፤ ካብ ኢድ እቶም ተልዒሎምኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ክተድሕነኒ ደይብ” በሎ። ኣካዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤት ንጉስን ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ገፀ በረኸት ሰደደሉ። ንጉስ ኣሶር ከዓ ሰምዖ እሞ ደዪቡ ንደማስቆ ሓዛ፤ ኣብኣ ንዝነበሩ ህዝባ ድማ ማሪኹ ናብ ቂር ወሰዶም፤ ንረኣሶንውን ቀተሎ። ንጉስ ኣካዝ ድማ ንቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክረኽቦ ናብ ደማስቆ ኸደ፤ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ መሰውኢ ኸዓ ረአዮ። ምስሊ እቲ መሰውእን መልክዕ እቲ ዅሉ ስርሓቱን ገይሩ ድማ ብዛዕባኡ ንካህን ኦርያ ሰደደሉ። ካህን ኦርያ ኸዓ ኸምቲ ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ገይሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ። ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ቅድሚ ምምላሱ ድማ ፈፀሞ። እቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ መፀ ነቲ መሰውኢ ረአዮ፤ ቀሪቡ ኸዓ ናብኡ ደየበ። ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣቕረበ፤ ናይ መስተ መስዋእቲ እውን ኣፍሰሰ፤ ነቲ ናይ ሰላም መስዋእቲ ደም ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነፀጎ። ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ነሃስ መሰውኢ ድማ ኻብ ቅድሚ እታ ቤተ መቅደስ ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ድሕር ኣቢሉ፥ ብወገን ሰሜን እቲ ሓድሽ መሰውኢ ኣቐመጦ። ንጉስ ኣካዝ ድማ ብዛዕባኡ ንካህን ኦርያ “እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ጊሓትን ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽልን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንጉስን፥ መስዋእቲ እኽልን፥ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥ መስዋእቲ እኽሎምን፥ መስዋእቲ መስተኦምን፥ ኣብቲ ዓብዪ ሓድሽ መሰውኢ ኣቃፅሎ፤ ንዅሉ ደም እቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንኵሉ ደም እቲ መስዋእቲ ሕሩድን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ንፀጎ፤ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውኢ ግና ኣነ ኽጥይቐሉ ንኣይ ሕደገለይ” ኢሉ ኣዘዞ። ካህን ኦርያ ድማ ኸምቲ ንጉስ ኣካዝ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄርውን መሰረት ናይቲ ዙፋን ሰርሐ፤ ንንጉስ ኣሶር ኢሉውን ነቲ ብወፃኢ ዘሎ መንገዲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣዞሮ። እቲ ዝተረፈ ኣካዝ ዝገበሮ ነገር ድማ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣካዝ ከዓ ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ። ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፤ ትሽዓተ ዓመት ከዓ ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ፤ ግና ኸምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ኣይኮነን። ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ተዋግኦ፤ ሆሴዕ ኸዓ ግዙኡ ኾይኑ ግብሪ ገበረሉ። ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ ሆሴዕ ዓመፅ ረኸበ፤ ሆሴዕ ናብ ሴጎር ንጉስ ግብፂ ልኡኻት ሰዲዱ ሓገዝ ለሚኑ ነይሩ እዩሞ። እቲ በብዓመቱ ዝኸፍሎ ዝነበረ ግብሪ ድማ ምስዳድ ኣበየ። ሽዑ ንጉስ ኣሶር ንሆሴዕ ኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር ንዅላ እታ ሃገር ወረራ፤ ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸዓ ሰለስተ ዓመት ከበባ። ንሆሴዕ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፤ ንእስራኤል ድማ ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ሓላሕ፤ ኣብ ሓቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያን ከዓ ኣቐመጦም። እዙይ ዝኾነ ኸዓ ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ባርነት ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ሓራ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝበደሉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲውን ስለ ዘምለኹን እዩ። ከምኡውን ብልማድ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብን፥ በቲ ነገስታት እስራኤል ዘገብርዎ ዝነበሩ ኽፉእ ልማድን ከዱ። እወ! ደቂ እስራኤል ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይቅኑዕ ነገር ብሕቡእ ገበሩ። ካብ ግንቢ ሓሻኽር ጀሚሮም ክሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኣብ ኵለን ከተማታቶም ድማ ጣዖት ዘምልኹሉ ኣብ በረኽቲ ቦታታት መሰውኢ ሰርሑ። ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ከዓ ኣዕምዲ ኣእማንን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ኣቖሙ። ኣብኡ ድማ ኸምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብ ኣብ ኵሉ በረኽቲ ይዓጥኑ ነበሩ። ክፉእ ነገር ብምግባር ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ። ነቲ እግዚኣብሄር “ነዝ ነገር እዙይ ኣይትግበርዎ” ዝበሎም፥ ነቶም ጣዖታት ኣምለኹ። እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዅሎም ነቢያትን ብዅሎም ረኣይትን ገይሩ መስከረ “ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ከምቲ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፥ ብባሮተይ ነቢያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኵሉ ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ሓልዉ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነበረ። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ከምቶም ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ኽሳዶም ኣትረሩ እምበር። ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ነዓቕዎ። ደድሕሪ ኸንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ብምስዓቦም ንባዕላቶም ከንቱ ኾኑ፤ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከምኣቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ሰዓቡ። ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሓዲጎም፥ ብዝፈሰሰ ዝተሰርሑ ምስልታት ክልተ ምራኹት ገበሩ፤ ሓወልቲ ኣስታሮትውን ኣቖሙ፤ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፤ ንጣዖት በዓልውን ኣምለኹ። ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከዓ ብሓዊ ይስውእዎም ነበሩ፤ ዛዕጐል የውድቑን ይጥንቍሉን ድማ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ኣቘጥዕዎ። ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብእስራኤል የመና ተቘጥዐ፤ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም። ነገድ ይሁዳ ጥራሕ በይና ተረፈት። ይሁዳውን በቲ ኽፉእ ልማድ እስራኤል ከዱ እምበር ነቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይሓለውዎን። እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ሓደጎም፤ ኣዋረዶም፤ ካብ ገፁ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸዓ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሃቦም። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ምስ ፈለዮም፥ ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ፤ ኢዮርብዓም ከዓ ንህዝቢ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ምምላኽ ኣርሓቖም፤ ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣስርሖም። ንሳቶም ድማ ንኢዮርብዓም ሰዓብዎ፤ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ሓጢኣትውን ገበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል፥ ከምቲ ብዅሎም ባሮቱ ነቢያት ተዛሪብዎ ዝነበረ ኻብ ቅድሚኡ ደርበዮም። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ ብኣሶራውያን ተማረኹ። ንጉስ ኣሶር ድማ ኻብ ባቢሎን፥ ካብ ኩታ፥ ካብ ዓዋ፥ ካብ ሓማት፥ ካብ ሴፈርዋይም ሰባት ኣምፂኡ ኽንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸዓ ወረስዋ፤ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ። ብመጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘየምለኽዎ፥ ኣናብስ ሰደደሎም፤ እቶም ኣናብስ ከዓ ኻብኣቶም ውሱናት ቀተሉ። ንንጉስ ኣሶር ድማ “እቶም ኣፍሊስካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘቐመጥካዮም ህዝብታት፥ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ኣይፈልጡን እዮም፤ ስለዙይ ኣምላኽ እታ ሃገር፥ ስርዓቱ ምፍላጥ ስለ ዝሰኣኑ ድማ ኣናብስ ሰደደሎም። እቶም ኣናብስ ከዓ፥ እንሆ፥ ይቐትልዎም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር “ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽኩምዎም ካህናት ሓደ ናብኡ ስደዱ፤ ከይዱ ድማ ኣብኡ ይቀመጥ እሞ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ይምሃሮም” ኢሉ ኣዘዘ። ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽዎም ካህናት ሓደ መፂኡ ኣብ ቤቴል ተቐመጠ፤ ንእግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝፈርሕዎ ኸዓ መሃሮም። ግና ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብተን ዝቕመጥወን ከተማታት ኣማልኽቶም ገይሮም ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ በረኽቲ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ጣዖት ኣንበርዎ። እቶም ሰብ ባቢሎን ከዓ ናይ ሱኮትቤኖት ዝበሃል ኣምላኽ ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ኩታ ድማ ናይ ኤርጌል ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሃማት ከዓ ናይ ኣሲማት ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ዓዋ ድማ ናይ ኒብሓዝን ተርታቅን ጣዖታት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሴፈርዋይም ከዓ ንኣማልኽቲ ሴፈርዋይም ንኣድራሜሌክን ንኣነሜሌክን ዝበሃሉ ኣማልኽቶም ደቆም ኣብ ሓዊ ኣቃፂሎም ይስውኡሎም ነበሩ። ንእግዚኣብሄር ድማ ይፈርሑ ነበሩ፤ ነቲ ዀረብታ መስገዲ ኻብ ማእኸሎም ከዓ ዝኾነ ሰብ ካህን ይገብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ድማ ኣብ ኰረብታ መስገዲ መስዋእቲ ይስውኡ ነበሩ። ንእግዚኣብሄር ይፈርሑ ነበሩ፤ ግና፥ ከምቲ ቐደም ኣብ ዓዶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ስርዓት ንኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ። እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ኪዳን ኣትዩ ነበረ፤ ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዚዙዎም ነበረ፦ “ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽዎም፤ ኣይትስገዱሎም፤ ኣይተገልግልዎም፤ ኣይትሰውኡሎም። ንኣይ ነቲ ብዓብዪ ሓይልን ብሓያል ቅልፅምን ካብ ግብፂ ዘውፃእኩኹም እግዚኣብሄር ደኣ ኣምልኹ፤ ስገዱ፤ ሰውኡ። ነቲ ዝፀሓፍኩልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ድማ ንሓዋሩ ኽትገብርዎ ተጠንቀቑ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ኣይተምልኽዎም። ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ኺዳነይ ኣይትረስዕዎ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይተምልኽዎም። ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ ድማ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእትኹም ከድሕነኩም እየ።” ንሳቶም ግና ኸምቲ ናይ ቀደም ልማዶም ደኣ ገበሩ እምበር፥ ኣይሰምዑን። ስለዙይ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ይፈርሕዎ ነበሩ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታቶምውን የምልኹ ነበሩ። ደቆምን ደቂ ደቆምን ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለዉ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ሕዝቅያስ ወዲ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ንሱ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኣቡ እትበሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት። ሕዝቅያስ ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ነቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ መስገዲታት ኣወገዶ፤ ነቲ ኣዕማድ ኣእማን ሰባበሮ፤ ነቲ ሓወልትታት ኣስታሮትውን ኣዕነዎ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ናይ ነሃስ ተመን ድማ፥ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ይዓጥኑሉ ስለ ዝነበሩ ሰባባሮ። ስሙውን ነሑሽታን ኢሉ ፀውዖ። ሕዝቅያስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፤ ይሁዳ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ኸምኡ ዝበለ ንጉስ ረኺባ ኣይትፈልጥን። ንሱ ምስ እግዚኣብሄር ተጣበቐ፤ ንእኡ ካብ ምኽታልውን ኣይረሓቐን፤ ነቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛቱ ሓለወ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ፤ ዝኸዶ መንገዲውን ይቐንዖ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሶር ዓመፀ፤ ግብሪውን ኣይገበረሉን። ንፍልስጥኤማውያን ድማ ኻብ ግንቢ ሓሻኽር ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኽሳዕ ጋዛን ወሰናታን ሰዓሮም። ንጉስ ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ድማ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ፥ ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ንኸተማ ሰማርያ ኸበባ። ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመት ከዓ ሰማርያ ተትሓዘት። እዙይ ዝኾነ ሕዝቅያስ ካብ ዝነግስ ኣብ ሻድሻይ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ካብ ዝነግስ ከዓ ኣብ ታሽዓይ ዓመቱ እዩ። እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤላውያን ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ኣላሔ፥ ኣብ ኣቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንውን ኣቐመጦም። እዙይ ከዓ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎን ንኺዳኑ ብምፍራሶምን፥ ነቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ። ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ንዅለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ወሪሩ ሓዘን። ሽዑ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ኣብ ለኪሽ እንተሎ፥ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ “በዲለ እየ፤ ግና ዘሰከምካኒ ክስከም እየ እሞ፥ ካብ ምድረይ ተመለስ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፤ ሰናክሬም ከዓ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ “ዓሰርተ ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን ክፈል” በሎ። ሕዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ መንግስትን ዝተረኽበ ዅሉ ብሩር ሃቦ። ከምኡውን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓፁ መቕደስ እግዚኣብሄርን ልዳውቱን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ባዕሉ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ። ንጉስ ኣሶር ግና ንተርታንን ራፌስን ንራፋስቂስን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሶ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መንገዲ ግራት ሓፃቢ ዘሎ ላዕለዋይ መስኖ ቖሙ። “ንንጉስ ሕዝቅያስ ፀውዑልና” ድማ በሉ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ኬልቅያስ ኣዛዚ ቤትን፥ ሰብና ፀሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን ናብኣቶም ወፁ። “እቲ ዓብዪ ንጉስ፥ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እዝ ተኣሚንካዮ ዘለኻ እሙንቶ እዙይ እንታይ እዩ? ንስኻ ንውግእ ክእለትን ሓይልን ኣለኒ ትብል ኣለኻ፤ ግና ቃል ከንፈር ጥራሕ እዩ። እቲ ዝኸዳዕኻኒ ደኣ ብመን ተኣሚንካ ኢኻ? እንሆ፥ ሕዚ ብግብፂ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ። ንሱ ንዝተመርኰሶ ሰብ፥ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ እዩ ዝኣቱ፤ የንኵሎን የቝስሎንውን፤ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኸዓ ንዝተኣማመንዎ ዅሎም ከምኡ እዩ።” “ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና እንተ በልኩምኒ ድማ፥ ንስኻ ሕዝቅያስ ንህዝቢ ይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ኣብ ቅድሚ እዝ መሰውኢ እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ስገዱ ኢልካ ኣብ ኰረብታ ዝነበሩ መሰውኢታቱ ዘፍረስካሉ ንስኻዶ ኣይኮንካን? “ሕዚ ድማ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ። ንስኻ፥ ዝቕመጥዎም ክተምፅእ እንተ ኽኢልካስ፥ ክልተ ሽሕ ኣፍራስ ክህበካ እየ። ብናይ ግብፂ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን እንተ ተኣመንካ፥ ካብዞም ኣናእሽቱ ሓሻኽር ጐይታይ ንሓደ ሓለቓ ኽትመልስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸጥፍኣ ዝመፃእኹ ይመስለካ? እግዚኣብሄር እዩ ናብዛ ሃገር እዚኣ ደይብካ ኣጥፍኣያ ዝበለኒ በልዎ” በሎም። ሽዑ ኤልያቄም ወዲ ኪልቂያን ሳምናስን ዮኣሳን ነቲ መራሒ ንራፋስቂስ “ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፥ በይዛኻ ንሓሻኽርካ ብቛንቋ ሶርያ ተዛረበና፤ ግና እዝ ኣብ መካበቢያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቋንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ። ራፋስቂስ ግና “ንጉስ፥ እዝ ነገር እዙይ ክናገር ናባኻን ናብ ጐይታኻንዶ ልኢኹኒ እዩ? ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፥ ምሳኻትኩም ኵስሖም ክበልዑን ሽንቶም ክሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኮነን?” በሎም። ሽዑ ራፋስቂስ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ ዓው ኢሉ ተዛረበ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፥ ንጉስ ኣሶር ስምዑ። እቲ ንጉስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሕዝቅያስ ካብ ኢደይ ከድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ንሱ ኣየዐሹኹም። ሕዝቅያስ ድማ፥ ‘እግዚኣብሄር ብርግፅ ከድሕነና እዩ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም። “ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይ ውፁ፤ ነፍሲ ወከፍ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኻብ ዒላኡ ማይ ይስተ። ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር ከይትሞቱስ፥ መፂአ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፥ ናብ ሃገር እኽልን እንጀራን፥ ናብ ሃገር ኣታኽልቲ ወይንን ኰልዒ ወይንን፥ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም ‘እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ’ እናበለ ሕዝቅያስ ክጥብረኩም እንተሎ፥ ኣይትስምዕዎ። ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሓነዶ ኣሎ? ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርፋድን ኣበይ ኣለዉ? ኣማልኽቲ ሴፈርዋይምን ሄናዕን ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ? ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣድሒኖምዋ እዮም? ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሓኑ ኣየንኦም እዮም? እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ?” ንጉስ ሕዝቅያስ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ ሓደ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። ኤልያቄም ወዲ ኪልቂያ ኣዛዚ ቤትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ዮኣሳ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ሕዝቅያስ መፁ እሞ ዘረባ ራፋስቂስ ነገርዎ። ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳኑ ቐዲዱ፥ ወጮ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ። ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤቱን ሳምናስ እቲ ፀሓፍን ነቶም ዓበይቲ ኻህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ለኣኾም። ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ “ንጉስ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መከራን ውርደትን እያ፤ ህፃናት ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን። ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ ልኢኹ እቲ ዅሉ ንህያው እግዚኣብሄር ዝፀረፎ ፀርፊ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ሰሚዑ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄርውን ስለ እቲ ዝሰምዖ ቓል እንተ ገሰፆ፥ ምእንቲ እዝ ተረፍ ፀሎት ግበር’ ” በልዎ። እቶም ልኡኻት ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢሳይያስ መፁ፥ ኢሳይያስ ድማ ንጐይታኹም፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንገርዎ፦ ‘በቲ ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ክፀርፉኒ ዝሰማዕኻዮም ነገር ኣይትፍራሕ። እንሆ፥ ኣብ ልዕሊኡ መንፈስ ክሰድድ እየ፤ ወረውን ክሰምዕ እዩ፤ ናብ ሃገሩ ድማ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ከም ዝወድቕ ኽገብሮ እየ በልዎ’ ” በሎም። ራፋስቂስ፥ ንጉስ ኣሶር ካብ ለኪስ ከም ዝረሓቐ ምስ ሰምዐ ተመለሰ፤ ኣብ ሊብና ኽዋጋእ እንተሎ ድማ ረኸቦ። ሰናክሬም ግና “ቲርሃቅ ንጉስ ኢትዮጵያ፥ ክወግአካ ወፂኡ ኣሎ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ እናበለ ልኡኻት ሰደደ፦ “ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ፦ ‘እዝ ንስኻ እትእመኖ ዘለኻ ኣምላኽካ “ኢየሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ” ኢሉ ኣየዐሹኻ። ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት እንታይ ከም ዝገበርወንን፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወንን እንሆ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ንስኻኸ እትድሕንዶ ይመስለካ? ኣቦታተይ ንህዝቢ ጐዛንን ካራንን ራፊስን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ዔድንን ኣጥፍእዎም፤ እቶም ኣማልክቲዶ ንኣህዛብ ኣድሒኖምዎም እዮም? ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርፋድን ንጉስ ከተማ ሴፈርዋይምን ንጉስ ሄናን ንጉስ ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ?’ ” ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ ካብ ኢድ እቶም መልእኽተኛታት ተቐቢሉ ኣንበባ። ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከይዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ። ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ፈጠርካዮ። ኦ እግዚኣብሄር! ኣእዛንካ ኣዘምቢልካ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ኣዒንትኻ ቋሕ ኣቢልካ ድማ ረአ። ነቲ ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ ዝለኣኾ ቃል ሰናክሬም ከዓ ስማዕ። “ኦ እግዚኣብሄር! ነገስታት ኣሶር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶምን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ። ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕንፀይትን ካብ እምንን ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ እዮም እምበር፥ ኣማልኽትስ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ድማ ኣጥፍእዎም። ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና! ንልምነካ ኣለና፤ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ምእንቲ ኽፈልጣ፥ ካብ ኢድ ሰናክሬም ኣድሕነና።” ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ነቲ ብዛዕባ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፥ ሰሚዐዮ ኣለኹ’ ” ይብል ኣሎ። እታ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ ኣባኻ ርእሳ ነቕነቐትልካ። ናብቲ ኣምላኽ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ። ናብቲ ዱር ቀርሜሎስ ክኣቱ እየ። ነቲ ዝተገደበ ማይውን ብኸብዲ እግረይ ኣንቀፅክዎ ድማ በልካ። ኵምራ ዑናታት ጌርካ ኽተባድመን ገበርኩኻ። ከምቲ እንተይሸወተ፥ ሕሞድያ ዝወቕዖ እኽልን ኮኑ። ኣባይ ዝተቘጣዕኻዮ ምቝጣዕን ፈሊጠ ኣለኹ። በታ ዝመፃእኻላ መንገዲ ድማ ኽመልሰካ እየ። ሽዑ ንሕዝቅያስ “ንኣኻ ግና እዙይ ምልክት ይኹንካ፤ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፥ ብኻልአይቲ ዓመት ከዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ኽትዘርኡን ክትዓፅዱን፥ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍረኡ ኽትበልዑን ኢኹም። እቶም ዘምለጡ ተረፍ ቤት ይሁዳ ድማ መሊሶም ንታሕቲ ሱር ክሰዱ፥ ኣብ ላዕሊ ኸዓ ኽፈርዩ እዮም። ካብ ኢየሩሳሌም ተረፍ፥ ካብ እምባ ፅዮን ድማ ዘምለጡ ክወፁ እዮም፤ ነዙይ ከዓ ቕንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።” ስለዙይውን እግዚኣብሄር ስለ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል “ሰናክሬም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣትዋን እዩ፤ ኣብኣ ድማ ፍላፃ ኣይውርውርን እዩ፥ ዋልታውን ኣይምክተላን እዩ፤ መደያይቦ ኸዓ ኣይኹምረላን እዩ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ በታ ዝመፀላ መንገዲ ኽምለስ እዩ እምበር፥ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ። ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንቲ ስመይን ምእንቲ እቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ” በሎ። በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ ኸዓ፥ እንሆ ዅላቶም ሬሳታት ኮይኖም ፀንሑ። ሽዑ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ተሲኡ ኸደ፤ ተመሊሱውን ኣብ ነነዌ ተቐመጠ። ሓደ መዓልቲ ሰናክሬም ኣብ ቤት ኣምልኹ ናሳራክ ክሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳን ብሰይፊ ቐተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሃደሙ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣስራዶን ነገሰ። በቲ ጊዜ እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኽመውት ቀረበ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብኡ መፂኡ “ንስኻ ኽትመውት ኢኻ እምበር፥ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ ቤትካ ኣመዓራሪ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” ኢሉ ነገሮ። ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፦ ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ከም ዝተመላለስኩን፥ ዘሐጕሰካውን ከም ዝገበርኩን ክትዝክር እልምነካ ኣለኹ? ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ሕዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ። ኢሳይያስውን ገና ናብቲ ኣደባባይ ማእኸላዊ ኸተማ እንተይበፅሐ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ፦ “ተመለስ እሞ ንሕዝቅያስ፥ ነቲ ሓለቓ ህዝበይ፥ ከምዙይ በሎ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንብዓትካውን ሪአ ኣለኹ፤ እንሆ ኸዓ ኸሕውየካ እየ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ። ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣለኹ፤ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከዓ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ምእንታይን ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ኢለ ኽከላኸለላ እየ’ ” በሎ። ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣምፂኦም ከዓ ኣብቲ ዝሓበጠ ቝስሉ ገበሩሉ እሞ፥ ሓወየ። ሕዝቅያስ ንኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ከም ዘሕውየንን፥ ኣነውን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብንከ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” በሎ። ኢሳይያስ ድማ “እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ኸም ዝፍፅሞ፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ምልክት እዙይ እዩ፦ እዝ ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይ ንድሕሪት ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ?” በለ። ሕዝቅያስ ከዓ “ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚት ክኸይድስ ቀሊል እዩ፤ ኣይፋሉን፥ እቲ ፅላሎት ንድሕሪት ደኣ ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ” በለ። ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ ነቲ ፅላሎት ብናይ ኣካዝ ኣሰፋፍራ ሰዓት ፅላሎት በቲ ዝወረደሉ መንገዲ፥ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት መለሶ። በቲ ጊዜ እቱይ መሮዳክ ወዲ መሮዳክባልዳን፥ ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ከም ዝሓመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፀ በረኸትን ናብ ሕዝቅያስ ሰደደሉ። ሕዝቅያስ ከዓ ደስ በሎ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ መዛግብቱ ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ፅቡቕ ዘይትን፥ ኵሉ እቲ መሳርሒ ውግእን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱ ኾነ ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን። ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ካበይ መፂኦም? እንታይከ ኢሎምኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ካብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” ኢሉ መለሰሉ። ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስትኻኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኵሉ ኣብ ቤተ መንግስተይ ዘሎ ሪኦም እዮም፤ ኣብ መዛግብተይ ዘየርአኽዎም ነገር የለን” ኢሉ መለሰሉ። ኢሳይያስ ድማ ንሕዝቅያስ ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስማዕ፦ ‘እዝ ዅሉ ኣብ ቤትካ ዘሎ፥ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘደለብዎን፥ ናብ ባቢሎን ዝውሰደሉ መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ሓደ ነገር እኳ ኣይተርፍን እዩ ይብል እግዚኣብሄር። ካብቶም ካባኻ ዝወፁ ካብ እትወልዶም ደቅኻ ተማሪኾም፥ ክውሰዱ እዮም፤ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ድማ ስሉባት ኮይኖም ከገልግሉ እዮም’ ” በሎ። ሕዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ “ብዘመነይ ደኣ ሰላምን ህድኣትን ይኹን እምበር፥ ‘እዝ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ’ ” በሎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ኵሉ ጅግንነቱን፥ ሓፅብን መስኖን ከም ዝሰርሐን፥ ናብ ከተማ ኸዓ ማይ ከም ዘእተወን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ሕዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ምናሴ ነገሰ። ምናሴ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሔፍሴባ ትበሃል ነበረት። ንሱ ኸዓ፥ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ገፅ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምግባር፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለ። ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ፥ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖት በዓል ከዓ መሰውኢታት ኣቖመ፤ ከምቲ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ፤ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን። ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ። ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐሎም። ንወዱ ኸዓ ብሓዊ ኽሓልፍ ገበሮ፤ ይጥንቍልን የማርትን ድማ ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባሩ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ። ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣንበሮ። ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ። ሓንትስ ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎምን ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ከዓ ንምፍፃም እንተ ተጠንቀቑ፥ ሽዑ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዞምን እየ።” ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ምናሴ ድማ ኣስሓቶም። ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ገበሩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነቢያት ገይሩ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ምናሴ ንጉስ ይሁዳ ዘፀይፍ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን፥ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዝኸፍአ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን ንይሁዳ ድማ ብጣዖታቱ ስለ ዘሕጥኦምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንዝሰምዖ ዅሉ ዘስካሕክሕ፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምን ይሁዳን ክፉእ ነገር ከምፅእ እየ። እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምውን ክዝርግሖ እየ። ከምቲ ንፃሕሊ ወልዊልካ ብኣፉ እትደፍኦ፥ ከምኡ ድማ ኣነ ንኢየሩሳሌም ወልዊለይ ክግልብጣ እየ። ነቶም ተረፍ ርስተይ ከዓ ኽድርብዮም እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽማርኽዎም እዮም፤ ንምድሮም ድማ ኽዘርፍዎ እዮም። እዙይ ከዓ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፥ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዘቘጥዑንን እዩ።” ምናሴ ብዙሓት ንፁሃት ሰባት ቀተለ፤ መንገድታት ኢየሩሳሌም ከዓ ብደም መልአን። እዙይ ድማ ብዘይ እቲ ንህዝቢ ይሁዳ ናብ ኣምልኾ ጣዖት መሪሑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ከም ዝገብሩ ዝገበሮም እዩ። እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ምናሴ ሞተ፤ ኣብ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ፥ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ። ኣሞፅ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሜሶላም እትበሃል ጓል ሓሩስ በዓልቲ ዮጥባ ነበረት። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ብዅሉ እቲ ኣቦኡ ዝኸዶ መንገዲ ድማ ኸደ፤ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣዖታት ከዓ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሓደገ፤ ብመንገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን። ሹመኛታት ኣሞፅ ድማ ሻራ ገበሩሉ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን ዘሻረዉሉ ዅሎም ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ንወዱ ኢዮስያስ ኣንገሶ። እቲ ዝተረፈ ኣሞፅ ዝገበሮ ነገር ድማ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮስያስ ነገሰ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ብመንገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፤ ካብኡውን ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣየግለሰን። ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ኣብ ሻምናይ ወርሒ እቲ ንጉስ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ፥ ወዲ ኤዜልያስ ወዲ የሜሶላም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ለኣኾ፤ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ናብቲ ሊቀ ካህናት ናብ ኬልቅያስ ደይብ እሞ ነቲ እቶም ኣፍ ደገ ዝሕልዉ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ዝኣተወ ገንዘብ ክቘፅሮ ንገሮ። ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘስርሑ ዋናታት ኣብ ኢዶም ይሃብዎም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ቤት እግዚኣብሄር ዝፅግኑ፥ ፀረብትን ሃነፅትን ነደቕትን ይኽፈልዎም፤ ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ከዓ ይኽፈልዎ። ግና ንሳቶም እሙናት ነበሩሞ፥ ስለ እቲ ኣብ ኢዶም ዝወሃብ ኣይቈፃፃርዎን ነበሩ።” ሊቀ ካህናት ኪልቂያ ኸዓ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መፅሓፍ ሕጊ ረኺበ” በሎ። ኪልቂያ ድማ ነቲ መፅሓፍ ንሳፋን ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኣንበቦ። ሳፋን እቲ ፀሓፊ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ “እቶም ሓሻኽርካ ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝተረኽበ ገንዘብ ወሲዶም ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘስርሑ ዋናታት ኣብ ኢዶም ሂቦምዎም” ኢሉ ነቲ ንጉስ ነገሮ። እቲ ፀሓፊ ሳፋን ድማ ንንጉስ “ሊቀ ካህናት ኬልቅያስ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ዓው ኢሉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ። እቲ ንጉስ ከዓ ቓላት እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ። እቲ ንጉስውን ንካህን ኬልቂያስን፥ ንኣኪቃም ወዲ ሳፋንን፥ ንዓክቦር ወዲ ሚካያን፥ ንሳፋን እቲ ፀሓፍን፥ ንዓሳያ ሓሽከሩን ድማ፥ “ኣቦታትና ንቓላት እዝ መፅሓፍ እዙይ ከምቲ ዝእዝዞ ስለ ዘይገበሩ እቲ ኣባና ነዲዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ዝተረኽበ መፅሓፍ እዙይ ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዅሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጠይቕዎ” ኢሉ ኣዘዞም። ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን ኣኪቃምን ዓክቦርን ሳፋንን ዓሳያን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ፤ ንሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ካልኣይ ክፍሊ እትቕመጥ ነበረት፤ ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቁዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝኾነ ነገርዋ። ንሳ ኸዓ ኸምዙይ በለቶም፦ “ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በልዎ፦ ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ፥ እቲ ንጉስ ከዓ ዘንበቦ፥ ንኢየሩሳሌምን ህዝባን መከራ ኸውርደሎም እየ። ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፥ ብኢዶም ጣዖታት ብምስራሕ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቝጥዓይ ክነድድ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ። ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትጥይቑ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ኸምዙይ በልዎ፦ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕኻዮ ነገር፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኢየሩሳሌምን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ንመደነቕን ንመራገምን ክኾኑ እዮም፤ ኢለ ዝተዛረብክዎ ምስ ሰማዕኻ ብልብኻ ስለ ዝተነሳህካ፥ ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካ፥ ክዳንካ ቐዲድካ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ ሰሚዐካ ኣለኹ። ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰዲዱ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ናብኡ ኣከቦም። እቲ ንጉስን ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ካህናትን ነቢያትን ብምሉኡ ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ናይ ቃል ኪዳን መፅሓፍ ቃል ብምሉኡ ኣብ እዝኖም ኣንበበሎም። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ነገስታት ደው ዝብሉሉ ዓምዲ ደው ኢሉ፥ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ንእግዚኣብሄር ክኽተል፥ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ሕግጋቱን ክሕሉ፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ክእዘዝ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣተወ። እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ኺዳን ክሕልውዎ ቃል ኪዳን ኣተዉ። እቲ ንጉስ ድማ ንሊቀ ካህናት ኬልቅያስን ነቶም ትሕቲኡ ዝኾኑ ኻህናትን ነቶም ሓለውቲ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ነቲ ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክኸውን ዝተሰርሐ ዅሉ ኣቑሑ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከውፅእዎ ኣዘዞም፤ ኣብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ኣብ ለሰ ቄድሮን ከዓ ኣቃፀሎ፤ ነቲ ሓሙዅሽቲውን ናብ ቤቴል ወሰዶ። ነቶም ነገስታት ይሁዳ፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኽዓጥኑ ዝመደብዎም ካህናትን፥ ነቶም ንጣዖት በዓልን ንፀሓይን ንወርሕን ንእኩብ ከዋኽብትን ንኻልኦት ሰራዊት ሰማይን ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኻህናትን ድማ ኣወገዶም። ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ናብ ለሰ ቄድሮን ኣውፂኡ ኣቃፀሎ፤ ኣድቂቑ ሓመድ ገበሮ፤ ኣብቲ ህዝቢ ዝቕበረሉ መቓብር ከዓ በተኖ። ነተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበራ ኣባይቲ ሰዶማውያን ኣፍረሰን። እዙይ ኣንስቲ ኣብኣተን ኮይነን ንጣዖት ኣስታሮት ዝኸውን መጋረጃ ዝኣልማሉ ዝነበራ እዩ። ንጉስ ኢዮስያስ ንዅሎም ካህናት ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውፂኡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦም፤ ነቲ ንሳቶም ንጣዖት ዝዓጥኑሉ ዝነበሩ በረኽቲ ኸዓ ኻብ ገባዖን ጀሚሩ ኽሳዕ ቤርሳቤህ ኣርከሶ፤ ነቲ ደገታት፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኢያሱ መራሒ እታ ኸተማ ዝነበረ፥ ነቲ ብፀጋም ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዝነበረ ጣዖትውን ኣፍረሶ። እዞም ኣብ በረኽቲ ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኻህናት ግና፥ ምስ ኣሕዋቶም ካህናት ኮይኖም ደኣ መባዅዕቲ ዘይኣተዎ ቕጫ ይበልዑ ነበሩ እምበር፥ ናብቲ መሰውኢ ኸገልግሉ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣትዉን ነበሩ። ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንጣዖት ሞሎክ ብሓዊ ምእንቲ ኸይስውእ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሄኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ። ነቶም ነገስታት ይሁዳ ንኣምልኾ ፀሓይ ዝወፈይዎም፥ ኣብቲ መእተዊ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቅፅሪ ቤተ መቕደስ፥ ኣብታ ናታንሜሌክ ዝበሃል ስሉብ ዝነብረላ ዝነበሩ ኣፍራስ ኣወገዶም። ነቲ ሰረገላታት ፀሓይውን ብሓዊ ኣቃፀሎ። ንጉስ ኢዮስያስ፥ ነቲ ብምብራቕ ኢየሩሳሌም፥ ብደቡብ ዀረብታ ጥፍኣት፥ ዝነበረ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ፥ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል፥ ነታ እተፀይፍ ኣስታሮት ጣዖት ሲዶናውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ካሞሽ ጣዖት ሞኣባውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሚልኮም ጣዖት ደቂ ኣሞን ሰሪሑሎም ዝነበረ ኣርከሶ። ነቲ ዓምድታት ኣእማን ሰባበሮ፤ ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኣፍረሶ፤ ነቲ ቦታኦም ከዓ ኣዕፅምቲ ሰብ መልኦ። ንጉስ ኢዮስያስ ነቲ ኣብ ቤቴል ኣብቲ በሪኽ ዝነበረ መምለኽን መሰውኢን ኣፍረሶ። እዝ መሰውኢ እዙይ እቲ ንእስራኤል ናብ ሓጢኣት ዝመርሖም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ዝሰርሖ ነበረ። ነቲ ኣእማኑ ኣድቂቑ፥ ከም ሓመድ ገበሮ። ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣቃፀሎ። ኢዮስያስ ከዓ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ኰረብታ ዝነበረ መቓብራት ረአየ። ሽዑ ልኢኹ ነቲ ኣዕፅምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፥ ከምቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ፤ ኣርከሶውን። ንሱ ድማ “ሕደጉ፥ ኣይትንክእዎ” በሎም። ስለዙይ ኣዕፅምቱ ኣይተነኽአን ኣዕፅምቲ ናይቲ ኻብ ሰማርያ ዝመፀ ነቢይውን ምስኡ ተረፈ። ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፥ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከቘጥዕዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኵለን በረኽቲ መስገዲታት ድማ ኢዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ኸምቲ ኣብ ቤቴል ዝገበሮ ገበረን። ንዅሎም ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣብ በረኽቲ ንጣዖት ዘገልግሉ ኻህናት ከዓ ኣብቲ መሰውኢታት ሓረዶም፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መሰውኢታት ድማ ኣዕፅምቲ እቶም ሰባት ኣቃፀለ። ካብኡ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። እቲ ንጉስ ከዓ ንዅሉ ህዝቢ “ከምቲ ኣብዝ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋሲካ ግበሩ” ኢሉ ኣዘዞም። ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝመርሑሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸዓ፥ ብዅሉ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዙይ ዝበለ ፋሲካ ኣይተብዓለን። ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ እዝ በዓል እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተብዓለ። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ኻህን ኬልቅያስ ዝረኸቦ መፅሓፍ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ሕጊ ምእንቲ ኽፍፀም ኢሉ ነቶም ንመናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑ ንጠንቈልትን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ኣማልኽትን ንጣዖታትን ንዅሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣቑሑን ኣወገዶ። ከምቲ ዅሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብምሉእ ልቡን ብምሉእ ነፍሱን ብምሉእ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር ዝተመለሰ ንጉስ ኣይነበረን፤ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተስአን። ግና በቲ ምናሴ ዝገበሮ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ነዲዱ ነበረ፤ ሕዚ እውን እንተ ኾነ ኻብ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን። እግዚኣብሄር ድማ “ከምቲ ንእስራኤል ዘርሓቕክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድመይ ከርሕቖ እየ፤ ነዛ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌምን ነዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልክዋ ቤትን ከዓ ኽድርብየን እየ” በለ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ብዘመን መንግስቲ ኢዮስያስ ፈርዖን ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ንንጉስ ኣሶር ክዋግኦ ናብ ሩባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኽከላኸሎ ወፀ፤ ኒካዑ ኸዓ ተዋግኦ እሞ ኣብ መጊዶ ቐተሎ። ሓሻኽሩ ድማ ብምዉቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብ መቓብሩ ኸዓ ቐበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንኢዮኣካዝ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፤ ክንዲ ኣቦኡ ኸዓ ኣንገስዎ። ኢዮኣካዝ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት። ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ንጉስ ኒካዑ ድማ ንኢዮኣዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ ኣብ ሪብላ እትበሃል ምድሪ ሓማት ኣሰሮ። ነታ ሃገር ከዓ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ። ንኤልያቂም ወዲ ኢዮስያስ ድማ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ኣንገሶ። ስሙ ኸዓ ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ። ንኢዮኣካዝ ግና ናብ ግብፂ ኣፍለሶ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ። ኢዮኣቄም ከዓ ንኒካዑ ንጉስ ግብፂ ብሩርን ወርቅን ሃቦ። ከምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ገንዘብ ምእንቲ ኽህብ ግና ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ብፅሒቱ ኣኽፈሎ። ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ብኣፍ ባሮቱ ነቢያት ዝተዛረቦ፥ ንይሁዳ ምእንቲ ኸጥፍእዋ ጭፍራታት ከለዳውያንን ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ኣሞናውያንን ናብኣ ሰደደ። እዙይ ከዓ ብሰንኪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ እግዚኣብሄር ንይሁዳ ኻብ ገፁ ከወግዳ ስለ ዝኣዘዘ እዩ። ብፍላይ ድማ ንፁህ ደም ብምፍሳስ፥ ንኢየሩሳሌም ብደም ስለ ዝመልኣ እዩ። በዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንምናሴ ክርህርሀሉ ኣይደለየን። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣቄም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን ከዓ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮኣቄም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ። ነቲ ግዝኣት ንጉስ ግብፂ ዝኾነ፥ ካብ ሩባ ግብፂ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረሞ፥ ድሕሪዙይ ንጉስ ግብፂ ምስ ሰራዊቱ ኻብ ሃገሩ ወፂኡ ኣይፈልጥን። ኢኮንያን ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። እኖኡ ኔስታ እትበሃል ጓል ኤልናታን በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ኣቦኡ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ኢኮንያን ነጊሱ እንተሎ፥ ሰራዊት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ደዪቦም ነታ ኸተማ ኸበብዋ። እቶም ሰራዊት ከቢቦምዋ እንተለዉ ኸዓ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መፀ። ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ንኢኮንያን ሓዞ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ድማ፥ ንዅሉ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ወሪሩ ንባቢሎን ወሰዶ፤ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሖ ዅሉ ኣቑሑ ወርቂ ኸዓ ሰባበሮ። ንህዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብሙሉኦም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተዋጋእትን ፀረብትን ቀጥቀጥቲ ሓፂንን፥ ብሙሉኦም ዓሰርተ ሽሕ ማሪኹ ወሰደ፤ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ፥ እንትርፊ እቶም ድኻታት፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ናቡከደነፆር ሸውዓተ ሽሕ ዝኾኑ ንውግእ ዝበቕዑ ተዋጋእቲ፥ ሽሕ ዝኾኑ ፀረብትን ቀጥቀጥቲ ሓፂንን፥ ንዅሎም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። ከምኡውን ናቡከደነፆር ንማታንያ፥ ሓወቦኡ ንኢኮንያን፥ ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ። ስሙ ድማ ሴዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ። ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓልቲ ሊብና ነበረት። ንሱውን ከምቲ ዅሉ ኢዮኣቄም ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን የመና ስለ ዝተቘጥዐን እዩ። ካብ ቅድሚ ገፁ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ። እታ ኸተማ ድማ ንሴዴቅያስ ክሳዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ ተኸቢባ ነበረት። ካብታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ እንጀራ ተስኣነ። እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ እንተለዉ፥ ቅፅሪ እታ ኸተማ ብሓደ ወገን ኣፍረሱ። እቲ ንጉስን እቶም ሓሻኽሩን ብለይቲ በቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣቢሎም፥ ብመንጎ እቲ ኽልተ መካበቢያ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓለፉ። ናብ ለሰ ዮርዳኖስ ኣቢሎም ከዓ ብለይቲ ሃደሙ። እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ደድሕሪኡ ስዒቦም ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ሓዝዎ፤ ኵሎም ሰራዊቱ ድማ ኻብኡ ፋሕ በሉ። ሽዑ ንሴዴቅያስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፤ ንጉስ ባቢሎን ከዓ ፈረዶ። ንደቂ ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣዒንቱ ኣዕወርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመቱ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ሓሻኽር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንኣባይቲ ዓበይቲ ሰባትን ብሓዊ ኣባርዐን። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊት ከለዳውያን ከዓ ንመካበብያታት ኢየሩሳሌም ብዙርያኡ ኣፍረስዎ። ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ድማ ነቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዝነበሩ ህዝብን ነቶም ሃዲሞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ዝተፀግዑን ነቶም ዝተረፉ ኻልኦት ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ግና ነቶም ድኻታት እታ ሃገር፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽዓዩን መሬት ክሓርሱን ኢሉ ሓደጎም። ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪያታትን ካራታትን ፅዋዓትን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣቑሑን ወሰድዎ። እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብወርቅን ብብሩርን ዝተሰርሐ ዅሉ ፅንሃሃትን ጭሐሎታትን ወሰዶ። እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዝገበሮ ኽልተ ዓምድን ሓደ ጋብላን መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑን ዝተሰርሐሉ ነሃስ ዓብዪ ስለ ዝነበረ ኽመዝንዎ ኣይከኣሉን። ቁመት እቲ ሓደ ዓምዲ ዓሰርተ ሸሞንተ እመት ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ጕልላት ነበሮ፤ ቁመት እቲ ጉልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ፤ ነቲ ጕልላት ከዓ ብዙርያኡ ዓይኒ ርግብን ሮማንን ነበሮ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብነሃስ ዝተገብረ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓምዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ነበሮ። ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ፥ ንሊቀ ካህናት ሰራያን ንሶፎንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን፥ ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ማሪኹ ወሰዶም። ካብታ ኸተማ ድማ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊትን ሓሙሽተ ኣማኸርቲ ንጉስን ወሰደ። ከምኡውን ነቲ ሓሻኽር ዝኸትብ ፀሓፍን፥ ካብቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረኽቡ ህዝቢ እታ ሃገር ስሳ ሰባትን ወሰደ። ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ነዚኣቶም ወሲዱ ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ናብ ሪብላ ኣምፅኦም። ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ህዝቢ ይሁዳ ብኸምዙይ ካብ ሃገሮም ተማሪኾም ከዱ። ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃ፥ ወዲ ሳፋልን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፉ፥ ኣብ ይሁዳ መመሓደሪ ገበሮ። ኵሎም እቶም ዘይተማረኹ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ሰዓብቶም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ከም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ጎዶልያስ፥ ናብ ምፅጳ መፁ። እዚኣቶም እስማኤል ወዲ ናታንያን፥ ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን፥ ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን፥ ያእዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን ነበሩ። ጎዶልያስ ድማ “ካብ ሹመኛታት ከለዳውያን ኣይትፍርሑ፤ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፤ ንንጉስ ባቢሎን ከዓ ተገዝእዎ እሞ ፅቡቕ ነገር ክኾነልኩም እዩ” ኢሉ መሓለሎም፤ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከዓ ኣረጋግኦም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሖም ነበሩ እሞ፥ ተሲኦም ናብ ግብፂ ኸዱ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ዮርማሮዴቅ ንጉስ ባቢሎን፥ በታ ዝነገሰላ ዓመት ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅኦ። ብፍቕሪ ድማ ተናገሮ። እዙይ ድማ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኣብ ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ። ኤዊል መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ፅቡቕ ገይሩ ተኸናኸኖ፤ ንዙፋኑ ድማ ኻብ ዝፋናት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ። ነቲ ኽዳን ቤት ማእሰርቱውን ለወጠሉ፤ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኸዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እንጀራ ይምገብ ነበረ። ነንመዓልቲ ዝቕለቦ ቐለብ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ዅልሻዕ ካብ ንጉስ ይወሃቦ ነበረ። ኣዳም ንሴት፥ ሴት ንሄኖስ ወለደ። ሄኖስ ንቃይናን፥ ቃይናን ንመላልኤል፥ መላልኤል ንያሬድ ወለደ። ያሬድ ንሄኖክ፥ ሄኖክ ንማቱሳላ፥ ማቱሳላ ንላሜህ ወለደ። ላሜህ ንኖህ፥ ኖህ ከዓ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ። ደቂ ያፌት፦ ጋሜር፥ ማጎግ፥ ማዴ፥ ያዋን፥ ቶቤል፥ ሞሳሕ፥ ቴራስ። ደቂ ጋሜር፦ ኣስከናዝ፥ ሪፋት፥ ቴርጋማ፥ ደቂ ያዋን፦ ኤሊሳ፥ ተርሴስ፥ ኪቲም፥ ሮድኢ፥ ደቂ ካም፦ ኩሽ፥ ሚፅራይም፥ ፉጥ፥ ከነዓን፥ ደቂ ራዕማ፦ ሳባ፥ ድዳን፥ ኩሽ ንናምሩድ ወለደ፤ ንሱ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ምዃን ጀመረ። ሚፅራይም ከዓ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንላህቢምን፥ ንነፍተሂምን፥ ንፈትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝተወለዱ ኻስሉሂምን ንከፍቶሪምን ወለደ። ከነዓን ድማ ንሲዶን በዅሪ ወዱን፥ ንኬጢን፥ ንኢያቡሳውያንን፥ ንኣሞራውያንን፥ ንጌርጌሳውያንን፥ ንኤዊያዊውን፥ ንዓርካውያንን ንሲናውያንን፥ ንኣርዴዋውያንን ንሰማራውያንን ንኣማታውያንን ወለደ። ደቂ ሴም፦ ኤላም፥ ኣሶር፥ ኣርፋክስድ፥ ሉድ፥ ኣራም፥ ዑፅ፥ ሁል፥ ጌቴር፥ ሞሳሕ፥ ኣርፋክስድ ከዓ ንቃይንም ወለደ፤ ቃይንም ንሳላ ወለደ፤ ሳላ ድማ ንዔቦር ወለደ። ንኤቦር ድማ ኽልተ ኣወዳት ተወለዱሉ፦ እቲ ሓደ፥ ብዘመኑ ህዝቢ ዓለም በብዓሌቶም ስለ ዝተኸፋፈሉ፥ ፋሌቅ ተብሃለ፤ እቲ ሓዉ ኸዓ ዮቅጣን ተብሃለ። ደቂ ዮቅጣን፥ ኣልሞዳድ፥ ሳሌፍ፥ ሓሰርሞት፥ ያራሕ፥ ሃዶራም፥ ኣውዛል፥ ደቅላ፥ ዖባል፥ ኣቢማኤል፥ ሳባ፥ ኦፊር፥ ኤውላጥ፥ ዮባብ ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን ነበሩ። ሴም ንኣርፋክሳድ፥ ኣርፋክሳድ ንሳላ ወለደ። ሳላ ንዔቦር፥ ዔቦር ንፋሌቅ፥ ፋሌቅ ንራግው ወለደ። ራግው ንሴሮሕ፥ ሴሮሕ ንናኮር፥ ናኮር ንታራ ወለደ። ታራ ኣብርሃም ንዝተብሃለ ንኣብራም፥ ወለደ። ደቂ ኣብርሃም፦ ይስሓቅን እስማኤልን ነበሩ። ደቂ እስማኤል ከዓ በዅሩ ነባዮት፥ ቄዳር፥ ነብዳኤል፥ መብሳም፥ ማስማዕ፥ ዱማ፥ ማሳ፥ ኩዳን፥ ቴማን፥ ኢጡር፥ ናፌስ፥ ቄድማ፥ እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም። ኣብርሃም፥ ኬጡራ እትበሃል ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ንሳ ንዘምራንን ንዮቅሳንን ንሜዳንን ንምድያምን ንየስቦቅን ንስዌሕን ወለደትሉ። ደቂ ዮቅሳን ከዓ፥ ሳባን ድዳንን እዮም። ደቂ ምድያም ድማ፥ ጌፌር፥ ዔፌር፥ ሄኖሕ፥ ኣቢዳዕ፥ ኤልዳዓ እዮም። እዚኣቶም ኵላቶም ደቂ ኬጡራ እዮም። ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፤ ይስሓቅ ከዓ ንኤሳውን ንያእቆብን ወለደ። ደቂ ኤሳው፦ ኤሊፋዝ፥ ራጉኤል፥ የዑስ፥ የዕላም፥ ቆሬ፥ ደቂ ኤሊፋዝ፦ ቴማን፥ ኦማር፥ ስፎ፥ ጎቶም፥ ቄኔዝ፥ ቲምናዕ፥ ኣማሌቅ፥ ደቂ ራጉኤል፦ ናሖት፥ ዛራ፥ ሳማ፥ ሚዛህ፥ ደቂ ሴይር፦ ሎጣን፥ ሶባል፥ ፅብዖን፥ ዓና፥ ዲሶን፥ ኤፅር፥ ዲሳን፥ ደቂ ሎጣን፦ ሖሪ፥ ሔማም። ሎጣን ቲምናዕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ። ደቂ ሶባል፦ ዓልዋን፥ ማኔሓት፥ ዔባል፥ ስፎ፥ ኣውናም፥ ደቂ ፅብዖን፦ ኣያ፥ ዓና፥ ወዲ ዓና፦ ዲሶን፥ ደቂ ዲሶን፦ ሓምዳን፥ ኤስባን፥ ይትራን፥ ክራን፥ ደቂ ኤፅር፦ ቢልሓን፥ ዛዕዋን፥ ዓቃን፥ ደቂ ዲሳን፦ ዑፅ፥ ኣራን እዮም። ኣብ እስራኤል ንጉስ ገና ኸይነገሰ እንተሎ፥ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ቅድም ዝነገሱ ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦ ባላቅ ወዲ ቢዖር፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዲንሃባ ኾይኑ ነገሰ። ባላቅ ምስ ሞተ ኽንድኡ ኢዮባብ ወዲ ዛራ ኣብ ባሰራ ኾይኑ ነገሰ። ኢዮባብ ምስ ሞተ፥ ክንድኡ ሑሳም ኣብ ሃገር ቴማናውያን ኮይኑ ነገሰ። ሑሳም ምስ ሞተ፥ ክንድኡ እቲ ንምድያም ኣብ ሜዳ ሞዓብ ዝሰዓረ ሃዳድ ወዲ ባዳድ ነገሰ፤ ስም እታ ኸተማ ድማ ዓዊት ነበረ። ሃዳድ ምስ ሞተ፥ ክንድኡ ሰምላ በዓል መስሬቃ ነገሰ። ሰምላ ምስ ሞተ፥ ሳኡል ኣብታ ኣብ ሩባ ዘላ ረሆቦት ኮይኑ ኽንድኡ ነገሰ። ሳኡል ምስ ሞተ፥ ክንድኡ በኣልሓናን ዝበሃል ወዲ ዓክቦር ነገሰ። በኣልሓናን ምስ ሞተ፥ ክንድኡ ሃዳድ፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ፋዑ ኾይኑ ነገሰ። ሰበይቱ መሄጣብኤል እትበሃል፥ ጓል መጥሬድ፥ ጓል ሜዛሃብ እያ። ሃዳድውን ሞተ። ኣሕሉቕ ኤዶምያስ እዚኣቶም ነበሩ፦ ቲምናዕ ሓላቓ፥ ዓልዋ ሓላቓ፥ የቴት ሓላቓ፥ ኣህሊባማ ሓለቓ፥ ኤላ ሓለቓ፥ ፊኖን ሓለቓ፥ ቄኔዝ ሓለቓ፥ ቴማን ሓለቓ፥ ሚብሳር ሓለቓ፥ መግዲኤል ሓለቓ፥ ዒራም ሓለቓ፥ እዚኣቶም ሓለቓታት ኤዶምያስ ነበሩ። ደቂ ያእቆብ፦ ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን፥ ዳን፥ ዮሴፍ፥ ብንያም፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር እዮም። ደቂ ይሁዳ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ካብታ ከነዓናዊት ሰበይቲ ጓል ሹዓ ዝተወለዱሉ እዮም። ዔር በዅሪ ይሁዳ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበረ እግዚኣብሄር ቀተሎ። ይሁዳ ድማ ኻብ ትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ ንፋሬስን ዛራን ወለደ፤ ደቂ ይሁዳ ዅሎም ሓሙሽተ እዮም። ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል፥ ደቂ ዛራ፦ ዘምሪ፥ ኤታን፥ ሄማን፥ ከልኮል፥ ዳራ፥ ኵሎም ሓሙሽተ እዮም። ከርሚ ንኣካን ኤታን ንኣዛርያ ወለደ። እቶም ንሔፅሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ኸዓ ይረሕምኤልን ኣራምን ካልብን እዮም። ኣራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፤ ኣሚናዳብ ከዓ ንነኣሶን ሓላቓ ደቂ ይሁዳ ወለደ። ነኣሶን ድማ ንሰልሞን ወለደ፤ ሰልሞን ከዓ ንቦዔዝ ወለደ። ቦዔዝ ድማ ንኢዮቤድ ወለደ፤ ኢዮቤድ ከዓ ንእሴይ ወለደ። ደቂ እሴይ፦ በዅሪ ኤልያብ፥ ካልኣይ ኣሚናዳብ፥ ሳልሳይ ሳማን፥ ራብዓይ ናትናኤል፥ ሓምሻይ ራዳይ፥ ሻድሻይ ኣሳም፥ ሻውዓይ ዳዊት ነበሩ። ኣሓቶም ከዓ ፅሩያን ኣቢግያን ነበራ። ደቂ ፅሩያ ድማ ኣቢሳይን ኢዮኣብን ኣሳሄልን፥ ሰለስተ ነበሩ። ኣቢግያ ኸዓ ንኣሜሳይ ወለደት፤ ኣቦ ኣሜሳይ ድማ ዬቴር ዝተብሃለ እስማኤላዊ ነበረ። ካሌብ ወዲ ኤስሮም ከዓ ኻብ ዓዙባ ሰበይቱ ይሪኦትም እትበሃል ጓል ወለደ፤ ንሳ ድማ ንያሳርን ሶባብን ኣርዶንን ወለደት። ዓዙባ ምስ ሞተት ከዓ፥ ካሌብ ንኤፍራታ ኣእተዋ እሞ ንሆር ወለደትሉ። ሆር ድማ ንኡሪ ወለደ፤ ኡሪ ኸዓ ንባስልኤል ወለደ፤ ደሓር ድማ ኤስሮም ንጓል ማኪር ኣቦ ገለዓድ ኣእተዋ እሞ ንሰጉብ ወለደትሉ። ንሱ ኸእትዋ እንተሎ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ። ሴጉብ ድማ ንኢያኢር ወለደ፤ ንሱ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዕስራን ሰለስተን ከተማታት ነበራኦ። ጌሹርን ኣራምን ግና ንኣኣቶም ስሳ ኸተማታት ኣሕደግዎም። ኢያዕርን ቄናትን እተን ኣብ ዙርያአን ዝነበራ ቝሸታትን እውን ካብኣተን ነበራ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ገለዓድ ነበሩ። ኤስሮም ኣብ ኤፍራታ ናይ ካሌብ ምስ ሞተ፥ ኣቢያ ሰበይቱ፥ ኣቦ ቴቁሔ ንዝኾነ ንኣሽሑር ወለደትሉ። ደቂ ይረሕምኤል፥ በዅሪ ወዱ ንኤስሮም፦ በዅሪ ራም፥ ቡናህ፥ ኦሬን፥ ኣፄም፥ ኣኪያ። ንይረሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸዓ ነበረቶ፤ ንሳ እኖ ኦናም እያ። ደቂ ራም በዅሪ ወዱ ንይረሕምኤል፦ መዓስ፥ ያሚን፥ ዔቄር እዮም። ደቂ ሸማይ፦ ናዳብን ኣቢሱርን እዮም። ስም ሰበይቲ ኣቢሱር ከዓ ኣቢካኢል እዩ። ንሳ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ። ደቂ ናዳብ፦ ሴሌድን ኣፋይምን ነበሩ። ሴሌድ ውሉድ ዘይብሉ ሞተ። ኣፋይም ንይሽዒ ወለደ፤ ይሽዒ ንሶሳን ወለደ፤ ሶሳን ንኣሕላይ ወለደ። ደቂ ያዳዕ ሓው ሸማይ፦ ዮቴርን ዮናታንን ነበሩ። ዮቴርውን ውሉድ ዘይብሉ ሞተ። ደቂ ዮናታን፦ ፌሌትን ዛዛን፥ እዚኣቶም ደቂ ይረሕምኤል እዮም። ንሶሳን ግና ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ንሶሳንውን ኢዮሄል ዝስሙ ግብፃዊ ሓሽከር ነበሮ። ሶሳን ንኢዮሄል ሓሽከሩ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ጓሉ ሃቦ፤ ንሳ ኸዓ ንዓታይ ወለደት። ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ፤ ናታን ድማ ንዛባድ ወለደ፤ ዛባድ ንኤፍላል ወለደ፤ ኤፍላል ከዓ ንዖቤድ ወለደ፤ ዖቤድ ንኢዩ ወለደ፤ ኢዩ ድማ ንኣዛርያስ ወለደ፤ ኣዛርያስ ንኬሌስ ወለደ፤ ኬሌስ ከዓ ንኤልዓሳ ወለደ፤ ኤልዓሳ ንሲስማይ ወለደ፤ ሲስማይ ድማ ንሰሎም ወለደ፤ ሰሎም ንየቃምያ ወለደ፤ የቃምያ ድማ ንኤሊሳማ ወለደ፤ ካሌብ ሓው ይረሕምኤል ንበዅሪ ወዱ ሞሳ ወለደ፤ ሞሳ ንዚፍ ወለደ፤ ዚፍ ንመሪሳ ወለደ፤ መሪሳ ንኬብሮን ወለደ፤ ደቂ ኬብሮን፦ ቆሬ፥ ተፉዋ፥ ሬቄም፥ ሽማዕ ነበሩ። ሸማዕውን ንረሓም ወለደ፤ ረሓም ንዮርቅዓም ወለደ፤ ሬቄም ድማ ንሸማይ ወለደ፤ ሸማይ ንማዖን ወለደ፤ ማዖን ድማ ንቤትፁር ወለደ፤ ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞዳን ጋዜዝን ወለደትሉ። ሓራን ከዓ ንጋዜዝ ወለደ። ደቂ ያህዳይ፦ ሬጌም፥ ኢዮታም፥ ጌሻን፥ ፋሌጥ፥ ሔፋ፥ ሸዓፍ እዮም። ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሼቤርን ንቲርሓናን ወለደት። እቲ ንመድማና ዝመስረተ ሸዓፍን፥ እቲ ንመክቢናን ንጊብዓን ዝወለደ ንሱሳን ወለደትሉ። ካሌብ፥ ዓክሳ እትበሃል ጓልውን ነበረቶ። ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፦ ሆር፥ ኤፍራታ ዝወለዶ በዅሪ ወዱ ሶባል፥ ንሱ ኸዓ ንቂርያትይዓሪም ወለደ። ሰልሞን ካልኣይ ወዱ፥ ንቤተ ልሔም ወለደ፤ ሓሬፍ ሳልሳይ ወዱ ኸዓ ኣቦ ቤት ጋዴር እዩ። ኣቦ ቂርያትይዓሪም ሶባል፥ ኣቦ መናሕታውያን ሃሮኤ ዝበሃሉ ህዝቢ ወለደ፤ ዓሌታት ቂርያትይዓሪም፦ ይትራውያን፥ ፉታውያን፥ ሹማታውያን፥ ሚሽራዓውያን። ካብዚኣቶም ፆርዓውያንን ኤሽታኦላውያንን ተወለዱ። ደቂ ሰልሞን፦ ቤተ ልሔም፥ ነጦፋውያን፥ ዓጣሮት ቤት ዮኣብ፥ ፈረቓ መናሕታውያን፥ ፆርዓውያን እዮም። እቶም ኣብ ያቤፅ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ፀሓፍቲ ድማ ቲርዓውያን፥ ሺምዓታውያን፥ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፥ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝተወለዱ ቄናውያን እዮም። እቶም ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፦ እቲ ኻብ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወልደ በዅሩ ኣምኖን፥ ካልኣይ እቲ ኻብ ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ዝተወልደ ዳንኤል፥ ሳልሳይ እቲ ኻብ መዓካ፥ ጓል ተልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወልደ ኣቤሴሎም፥ ራብዓይ እቲ ኻብ ኣጊት ዝተወልደ ኣዶንያስ፥ ሓምሻይ እቲ ኻብ ኣቢጣል ዝተወልደ ሰፋጥያስ፥ ሻድሻይ እቲ ኻብ ሰበይቱ ዔግላ ዝተወልደ ይትረሓም፥ ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። ኣብኡ ኸዓ ኻብ ቤርሳቤህ ጓል ዓሚኤል፥ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ ኣርባዕተ ደቂ ተወለዱሉ። ብዘይ እዚኣቶም ድማ ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ኤሊፋላት፥ ኖጋ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥ ኤሊሳማ፥ ኤሊዳሄ፥ ኤሊፋላት፥ ዝበሃሉ ትሽዓተ ደቂ ነበርዎ። ትእማር እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም። ብዘይ እቶም ካብ ኣንስቲ ወሰኑ ዝወለዶም ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም። ሰሎሞን ንሮብዓም ወለደ፤ ሮብዓም ንኣቢያ፥ ኣብያ ንኣሳ፥ ኣሳ ንኢዮሳፍጥ፥ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም፥ ኢዮራም ንኣካዝያስ፥ ኣካዝያስ ንኢዮኣስ፥ ኢዮኣስ ንኣሜስያስ፥ ኣሜስያስ ንኣዛርያስ፥ ኣዛርያስ ንኢዮኣታም፥ ኢዮኣታም ንኣካዝ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ፥ ሕዝቅያስ ንምናሴ፥ ምናሴ ንኣሞፅ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ። ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም። ደቂ ኢዮኣቄም፦ ወዱ ኢኮንያን፥ ወዱ ሴዴቅያስ እዮም። ደቂ እቲ ንባቢሎን ተማሪኹ ዝኸደ ኢኮንያን እዚኣቶም እዮም፦ ሰላትያል፥ መልኪራም፥ ፈዳያ፥ ሼናፃር፥ ይቃምያ፥ ሆሻማ፥ ነዳብያ እዮም። ደቂ ዘሩባቤል፦ ሜሱላም፥ ሓናንያ፤ ሰሎሚት እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም። ሓሹባ፥ ኦሄል በራክያ ሓሳድያ ዩሻብሔሴድ ሓሙሽተ እዮም። ደቂ ሓናንያ፦ ፊላጥያን፥ የሻያን ነበሩ፤ ደቂ የሻያ ደቂ ረፋያ፥ ረፋያ ደቂ ኣርናን፥ ደቂ ኣብድዩ፥ ደቂ ሴኬንያ እዮም። ወዲ ሴኬንያ ሸማያ ነበረ፤ ደቂ ሸማያ ድማ፥ ሓጡስ ይግኣል ባርያሕ ነዓርያ ሻፋጥ ነበሩ። ኵሎም ሽዱሽተ እዮም። ደቂ ነዓርያ ኸዓ ኤልዮዔናይ ሕዝቅያስ ዓዝርቃም፥ ሰለስተ እዮም። ደቂ ኤልዮናይ ድማ ሆዳይዋ ኤልያሴብ ፌልያ ዓቁብ ዮሓናን ደላያ ዓናኒ ነበሩ፤ ኵሎምውን ሸውዓተ ነበሩ። ደቂ ይሁዳ፦ ፋሬስ፥ ኤስሮም፥ ካርሚ፥ ሆር፥ ሶባል እዮም። ራያ ወዲ ሶባል ድማ ንኢኤት ወለደ፤ ኢኤት ከዓ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ፤ እዚኣቶም ዓሌት ፆርዓታውያን እዮም። ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ኢይዝራኤል፥ ይሽማ፥ ይድባሽ፤ ሃፅለልፎኒ እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም። ፋኑኤል ኣቦ ጌዶር፥ ዔፄር ኣቦ ሑሻም፥ እዚኣቶም ደቂ ሆር በዅሪ ኤፍራታ ንቤተ ልሔም ዝመስረተ እዮም። እቲ ንቴቁሔ ዝመስረተ ኣሽሑር፥ ሔላን፥ ናዕራን፥ ዝበሃላ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ። ነዕራ ኸዓ ንኣሑዛምን ንኦፌርን ንቴምኒን ንኣሓሽታሪን ወለደትሉ፤ እዚኣቶም ደቂ ነዕራ እዮም። ደቂ ሔልኣ፦ ዔፌት፥ ይፅሓር፥ ኤትናን እዮም። ቆፅ ከዓ ንዓኑብን ንሃፆቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ፤ ያቤፅ ድማ ኻብ ኣሕዋቱ ዝኸብር ነበረ። እኖኡ ኸዓ ብብርቱዕ ፃዕሪ ስለ ዝወለደቶ ያቤፅ ኢላ ሰመየቶ። ያቤፅ ድማ፦ “ኦ ኣምላኽ! በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ፤ ኢድካውን ምሳይ ትኹን፤ ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ” ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ። ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ዝለመኖ ገበረሉ። ክሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፤ ምሒር ከዓ ንኤሽቶን ወለደ፤ ኤሽቶን ከዓ ንቤት ራፋን ንፋሴሓን ንተሒና ኣቦ ዒርናሓሽን ወለደ፤ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም። ደቂ ጎቶንያል፦ ሓታት፥ መዖኖታይ እዮም፤ መዖኖታይ ድማ ንኤፍራታ ወለደ፤ ሰራያ ኸዓ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ፀራቦ ዝነበሩ ንኢዮኣብ ወለደ፤ ንሳቶም ከዓ ፀረብቲ ነበሩ። ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ድማ ንዒሩን ንኤላን ንዓምን ወለደ፤ ኤላን ከዓ ንቄኔዝ ወለደ፤ ደቂ ይሃለልኤል፦ ዚፍ፥ ዚፋ፥ ቲርያ፥ ኣሳርኤል ነበሩ። ደቂ እዝራ፦ ዮቴር፥ ሜሬድ፥ ዔፈር፥ ያሎን ነበሩ። ሜሬድ ንቢትያ ጓል ፈርዖን ኣእተዋ፤ ንሳ ኸዓ ማርያም ንትበሃል ጓልን ንይሽባን ነቲ ንኣሽትምዓ ኣቦ ዝኾነ ንይሽባን ወለደ። ሜሬድ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ነበረቶ። ንሳ ድማ ነቲ ንጌዶር ኣቦ ንዝኾነ ንዩሬድን፥ ነቲ ንሶኮን ኣቦ ንዝኾነ ሔቤርን፥ ንዛኖዋ ኣቦ ንዝኾነ ንይቁቲኤልን ወለደትሉ። ሆድያ ንሓፍቲ ናሓም ኣእተወ። ካብኣ ኸዓ ነቶም ኣብ ቅዒላ ዝነብሩ ዓሌት ገርሚን፥ ነቶም ኣብ ኤሽተሞዓ ዝነብሩ ዓሌት መዓካታን ኣቦ ኾነ። ደቂ ሺሞን፦ ኣምኖን፥ ሪና፥ ቤንሓናን፥ ቲሎን እዮም። ደቂ ይሽዒ፦ ዞሔት፥ ቢንዞሔት እዮም። ይሁዳ ድማ ንሴሎም ወለደ፤ ሴሎም ከዓ ነቲ ንሌካ ኣቦ ንዝኾነ ንዔር፥ ንማሬሻ ኣቦ ንዝኾነ ለዓዳ፥ ነቶም ካብ ኣሽቤዓ ንዝኾኑ ንዮቂምን ንሰብ ኮዜባን፥ ነቶም ኣብ ቤተ ልሔም ዝተቐመጡ ኣብ ሞኣብ ዝገዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍን ወለደ፤ እዙይ ግና ናይ ኣለምቲ ሃሪ ጥንታዊ ታሪኽ እዩ። እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዝነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ። ስራሕ ንጉስ እናገበሩ ኸዓ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ። ደቂ ስምኦን፦ ነሙኤል፥ ያሚን፥ ያሪን፥ ዛራ፥ ሳኡል እዮም። ሳኡል ንመብሳም ወለደ፤ ማብሳም ንማስማዕ ወለደ። ማስማዕ ንሓሙኤል ወለደ፤ ሓሙኤል ንዘኩር ወለደ፤ ዘኩር ንሰሜኢ ወለደ። ሰሜኢ ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣወዳትን ሽዱሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሓት ውሉድ ኣይነበርዎምን። ዓሌት ስምኦን ከዓ ኽንዲ ዓሌት ይሁዳ ኣይሰሰነን። ንሳቶም ኣብ ቤርሳቤህ፥ ሞላዳ፥ ሓፃርሹዓል፥ ኣብ ቢልሃ፥ ኣብ ዔፀም፥ ኣብ ቶላድ፥ ኣብ ቤቱኤል፥ ኣብ ሖርማ፥ ኣብ ፂቅላግ፥ ኣብ ቤት ማርካቦት፥ ኣብ ሃፀር ሲሲም፥ ኣብ ቤት ብርኢ፥ ኣብ ሸዓራይም፥ ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክሳዕ ዝነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ። ከምኡውን ዔጣም፥ ዓዪን፥ ሪሞን፥ ቶኬን፥ ዓሻን ዝበሃላ ሓሙሽተ ኸተማታት ነበራኦም። እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት ሰራዊ ኽሳዕ በዓላት ዘለዋ ዅለን ዓድታቶም እየን። ዝነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን፤ ትውልዶም ዝነግር መፅሓፍ ድማ ነበሮም። መሾባብ፥ ያምሌክ፥ ዮሻ ወዲ ኣማስያ፥ ዮኤል፥ ኢዩ ወዲ ዮሺብያ፥ ወዲ ሰራያ፥ ወዲ ዓሲኤል፥ ኤልዮዔናይ፥ ያዕቆባ፥ ይሾሓያ፥ ዓሳያ፥ ዓዲኤል፥ የሲሚኤል፥ ብናያ፥ ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፥ ወዲ ኣሎን፥ ወዲ የዳያ፥ ወዲ ሺምሪ፥ ወዲ ሸማያ። እዞም ስሞም ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ዓዓሌቶም ሹመኛታት ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም የመና ስለ ዝበዝሑ፥ ንጥሪቶም መውፈሪ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ በቲ ንጌዶር ዘእቱ ኣቢሎም፥ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ። መውፈሪ ኸዓ ልምዕትን ፅብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እታ ሃገር ከዓ ገፋሕ፥ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ነበረት። እቶም ካብ ቀደም ኣብኣ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ ካም ነበሩ። እዞም በብስሞም ዝተፅሓፉ ኸዓ ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መፂኦም ነቶም ህዝቢ ሓደጋ ኣውደቑሎም። ኣብኡ ንዝተረኽቡ መዓናውያን ድማ ንሓዋሩ ኣጥፍእዎም። ኣብኣ ንጥሪቶም ዝኸውን መውፈሪ ነበረ እሞ፥ ክንዳኣቶም ተቐመጥዋ። ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ደጕዓ ሴይር ከዱ፤ ኣሕሉቖም ከዓ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዝኤልን ነበሩ። ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ቐቲሎም ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ። ይሁዳ ደቂ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ፦ ሄኖሕ፥ ፈሊሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ ነበሩ። ኢዮኤል ንሸማያ፥ ሸማያ ንጎግ፥ ጎግ ንሰሜዒ ወለደ፤ ሰሜዒ ንሚካ፥ ሚካ ንረኣያ፥ ረኣያ ንቢዔል ወለደ፤ ቢዔል ንብኤራ ወለደ፤ ብኤራ እቲ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶራውያን ዝማረኾ፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ። ኣሕዋቱ በብማይ ቤቶም መዝገብ ትውልዶም ምስተቘፀረ ቀዳማይ፦ ኢዮኤል፥ ዘካርያስ፥ ባላቅ ወዲ ዓዛዝ፥ ወዲ ሸማዕ፥ ካብ ማይ ቤት ኢዮኤል። ነገድ ሮቤል ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ናባን በዓል ሜዎን ተቐመጡ። መጓሰታቶም ኣብ ሃገር ገለዓድ በዚሐን ነበራ እሞ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኻብ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዘእቱ ይቕመጡ ነበሩ። ብዘመን ሳኦል ከዓ ምስ ኣጋራውያን ተዋግኡ እሞ ሰዓርዎም፤ ኣብ ኵሉ ምብራቕ ገለዓድ ከዓ ኣብቲ ዝሰዓርዎ ዓድታት ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ። ደቂ ጋድ ድማ ኣብ መንፅር ነገድ ሮቤል ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳዕ ሳልካ ተቐመጡ፤ ቀዳማይ ኢዮኤል ሓለቓ፥ ሳፋም ከዓ ኻልኣይ፥ ያናይን ሳፋጥን ድማ ኣብ ባሳን ተቐመጡ። በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ፥ ሚካኤል፥ ሜሱላም፥ ሳባ፥ ዮራይ፥ ያካን፥ ዙኤ፥ ኦቤድ ዝበሃሉ ሸውዓተ ኣሕዋት ነበርዎም። እዚኣቶም ካብ ኣቢካኢል ወዲ ዑሪ፥ ወዲ ያሮዓሕ፥ ወዲ ገለዓድ፥ ወዲ ሚካኤል፥ ወዲ የሺሻይ፥ ወዲ ዮዳይ፥ ወዲ ቡዝ፥ ዝውለዱ እዮም። ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል፥ ወዲ ጉኒ፥ ዋና ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበረ። ነገድ ጋድ ኣብ ገለዓድን ኣብ ባሳንን ኣብተን ኣብኡ ዘለዋ ዓድታትን ኣብ ኵሉ መዋፈሪታት ሳሮን ክሳዕ ወሰና ይቕመጡ ነበሩ። እዚኣቶም ኵላቶም ብዘመን ኢዮኣታም ንጉስ ይሁዳን ብዘመን ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤልን ኣብ መፅሓፍ ወለዶ ተፅሒፎም ነበሩ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ጀጋኑ፥ ዋልታን ሰይፍን ዘልዕሉ፥ ቀስቲ ኸዓ ዝግትሩ ንውግእ ዝተዳለዉ፥ ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ። ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያንን ምስ የጡርን ናፊሽን ኖዳብን ተዋግኡ። ናብ እግዚኣብሄር ስለ ዘእወዩ እግዚኣብሄር ከዓ ረድኦም፤ ንሃግራውያንን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎምን ከዓ ኣብ ኣእዳዎም ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ጊዜ ውግእ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ እሞ፥ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ሰምዖም። ካብ መጓሰታቶምውን ሓምሳ ሽሕ ግመልን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ በጊዕን ክልተ ሽሕ ኣእዱግን ዘመቱ። ካብ ሰብ ድማ ሚእቲ ሽሕ ሰብ ማሪኾም ወሰዱ። እቲ ውግእ ካብ እግዚኣብሄር ነበረ እሞ፥ ብዙሓት ሰባት ተወጊኦም ወደቑ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ከዓ ኽሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ። ፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ የመና በዝሑ፤ ካብ ባሳን ክሳዕ በዓል ሔርሞንን ሰኒርን ክሳዕ እምባ ሔርሞንን ብብዝሒ ይቕመጡ ነበሩ። ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዔፈር፥ ይሽዒ፥ ኤሊኤል፥ ዓዝሪኤል፥ የርሚያ፥ ሆዳውያ፥ ያሕዲኤል። እዚኣቶም ሓያላት ጀጋኑ ሰባት፥ ስሙያት ሰባት፥ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ንኣምላኽ ኣቦታቶም ከዲዖም ንኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ሃገር ሰገዱ። ኣምላኽ እስራኤል ድማ ንመንፈስ ፎሓ ንጉስ ኣሶርን፥ ንመንፈስ ቴልጌልቴልፌልሶርን ዝበሃል ንጉስ ኣሶርን ኣተሲኡ ነቶም ህዝቢ፥ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፥ ናብ ኣላሔን ናብ ኣቦርን ናብ ሓራን ናብ ሩባ ጎዛንን ኣእተዎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ። ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀኣት፥ ሜራሪ እዮም። ደቂ ቀኣት፦ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም። ደቂ ኣሮን፦ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛር፥ ኢታምር እዮም። ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ፤ ፊንሃስ ንኣቢሱ ወለደ፤ ኣቢሱ ንቡቂ ወለደ፤ ቡቂ ንዖዚ ወለደ፤ ዖዚ ንዘራእያ ወለደ፤ ዘራእያ ንመራዮት ወለደ፤ መራዮት ንኣማርያም ወለደ፤ ኣማርያም፥ ንኣኪጦብ ወለደ፤ ኣኪጦብ ንሳዶቅ ወለደ፤ ሳዶቅ ንኣሚካኣስ ወለደ፤ ኣሚካኣስ ንኣዛርያስ ወለደ፤ ኣዛርያስ ንዮሓናን ወለደ፤ ዮሓናን ንኣዛርያስ ወለደ። (ኣዛርያስ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ፥ ብኽህነት ዘገልግል ዝነበረ እዩ።) ኣዛርያስ ንኣማርያም ወለደ፤ ኣማርያም ንኣኪጦብ ወለደ፤ ኣኪጦብ ንሳዶቅ ወለደ፤ ሳዶቅ ንሰሎም ወለደ፤ ሰሎም ንኬልቅያስ ወለደ፤ ኬልቅያስ ንኣዛርያስ ወለደ፤ ኣዛርያስ ንሰራያ ወለደ፤ ሰራያ ንኢዮሴዴቅ ወለደ። ኢዮሴዴቅ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ብናቡከደነፆር ተማሪኾም ከም ዝኸዱ ምስ ገበሮም፥ ምስኣቶም ተማሪኹ ኸደ። ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። ስም ደቂ ጌድሶን ድማ እዙይ እዩ፦ ሊብኒ፥ ሰሜኢ እዮም። ደቂ ቀኣት፦ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዙኤል እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ጌድሶን ንሎቤኒ ወለደ፤ ሎቤኒ ንኢኤት ወለደ፤ ኢኤት ንዛማት ወለደ፤ ዛማት ንዮኣክ ወለደ፤ ዮኣክ ንኣዶ ወለደ፤ ኣዶ ንዛራ ወለደ፤ ዛራ ንያትራይ ወለደ። ቀኣት ከዓ ንኣሚናዳብ ወለደ፤ ኣሚናዳብ ንቆሬ ወለደ፤ ቆሬ ንኣሴር ወለደ፤ ኣሴር ንሕልቃና ወለደ፤ ሕልቃና ንኣቢሳፍ ወለደ፤ ኣቢሳፍ ንኣሴር ወለደ፤ ኣሴር ንኢኢት ወለደ፤ ኢኢት ንኡርኤል ወለደ፤ ኡርኤል ንዖዝያ ወለደ፤ ዖዝያ ንሳውል ወለደ፤ ሕልቃና ንዓማሲን ንኣኪሞትን ወለደ፤ ኣኪሞት ንሕልቃናን፥ ንሱፊን ወለደ፤ ሱፊ ንናሓት ወለደ፤ ናሓት ንኤልያብ ወለደ፤ ኤልያብ ንሮሓም ወለደ፤ ሮሓም ንሕልቃና ወለደ። ሳሙኤል ንኢዮኤል በዅሪ ወዱን ንኣብያን ወለደ። ሜራሪ ኸዓ ንሞሖሊ ወለደ፤ ሞሖሊ ንሎቤኒ ወለደ፤ ሎቤኒ ንሰሚዒ ወለደ፤ ሰሚዒ ንዖዛ ወለደ፤ ዖዛ ንሳምዓ ወለደ፤ ሳምዓ ንሓግያ ወለደ፤ ሓግያ ንዓሳያ ወለደ። እቲ ታቦት ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፥ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መራሕቲ መዝሙር ክኾኑ ዘቖሞም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም፥ ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰርሕ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን መዝሙር እናዘመሩ የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ ዝተሰርዐሎም ድማ በብተራ የገልግሉ ነበሩ። እቶም ምስ ደቆም ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ቀኣት፦ እቲ መራሒ መዘምራን ዝነበረ ኤማን ወዲ ኢዮኤል፥ ወዲ ሳሙኤል፥ ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ኤሊኤል፥ ወዲ ቶዋ፥ ወዲ ሱፍ፥ ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ መሓት፥ ወዲ ኣማሲ፥ ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ኢዮኤል፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ ሶፎንያስ፥ ወዲ ታሓት፥ ወዲ ኣሴር፥ ወዲ ኤብያሳፍ፥ ወዲ ቆሬ፥ ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቀኣት፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ ያእቆብ እዮም። ብወገን የማን ኮይኑ ዝመርሕ ዝነበረ ኸዓ ሓዉ ኣሳፍ ነበረ። ንሱ ወዲ በረክያ፥ ወዲ ሺምዓ፥ ወዲ ሚካኤል፥ ወዲ ባዓሴያ፥ ወዲ ማልክያ፥ ወዲ ኤትኒ፥ ወዲ ዛራ፥ ወዲ ዓዳያ፥ ወዲ ኤታን፥ ወዲ ዚማ፥ ወዲ ሰሜዒ፥ ወዲ ያሓት፥ ወዲ ጌድሶን፥ ወዲ ሌዊ እዩ። ብወገን ፀጋም ኮይኖም ዝመርሑ ዝነበሩ ኸዓ ደቂ ሜራሪ ነበሩ። ንኤታን ወዲ ቂሳ፥ ወዲ ዓብዲ፥ ወዲ ማሎክ፥ ወዲ ሓሸብያ፥ ወዲ ኣሜስያስ፥ ወዲ ኬልቂያስ፥ ወዲ ኣማሲ፥ ወዲ ባኒ፥ ወዲ ሴሜር፥ ወዲ ሞሖሊ፥ ወዲ ሙሲ፥ ወዲ ሜራሪ፥ ወዲ ሌዊ እዮም። እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ሌዋውያን፥ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ኻልእ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ተሰሪዖም ነበሩ። ኣሮንን ደቁን ግና ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ ዅሉ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ዕጣንን የቕርቡ ነበሩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረኽቡ ይገብሩ ነበሩ። ደቂ ኣሮን እዚኣቶም እዮም፦ ኣሮን ንኣልኣዛር ወለደ፤ ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ፤ ፊንሃስ ንኣቢሱ ወለደ፤ ኣቢሱ ንቡቂ ወለደ፤ ቡቂ ንኦዚ ወለደ፤ ኦዚ ንዘራእያ ወለደ። ዘራእያ ንመራዮት ወለደ፤ መራዮት ንኣማርያ ወለደ፤ ኣማርያ ንኣኪጦብ ወለደ፤ ኣኪጦብ ንሳዶቅ ወለደ፤ ሳዶቅ ንኣኪመኣስ ወለደ፤ እቲ ዝሰፈርዎ ዓድታት በብወሰኖም እዙይ እዩ፦ ነቶም ካብ ዓሌት ቀኣት ዝኾኑ ደቂ ኣሮን ቀዳማይ ዕፃ በፅሖም። ኣብ ግዝኣት ይሁዳ ንትርከብ ኬብሮንን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ መዋፈሪታትን ሃብዎም። ግና ናይታ ኸተማ ገራሁን ዓድታትን ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ሃብዎ። ንደቂ ኣሮን ድማ ነታ መዕቘቢ ዝኾነት ከተማ ኬብሮንን ልብናን ምስ መዋፈሪኣተን፥ የቲርን ኤሽትሞዓን ምስ መዋፈሪኣተን፥ ሖሎንን ምስ መዋፈሪኣታን፥ ዳቤርን ምስ መዋፈሪኣታን፥ ዓሳን ምስ መዋፈሪኣታን፥ ቤትሳሚስን ምስ መዋፈሪኣታን ሃብዎም። ካብ ነገድ ብንያምውን ንጌባን ምስ መዋፈሪኣታን ንጋሌማትን ምስ መዋፈሪኣታን ንዓናቶት ምስ መዋፈሪኣታን ሃብዎም። ኵለን ከተማታቶም ከዓ ኸም ዓሌታቶም ዓሰርተ ሰለስተ ነበራ። ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀኣት ድማ ኻብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማ ሃብዎም። ንደቂ ጌድሶን ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብታ ኣብ ባሳን ዘላ ነገድ ምናሴን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማ ሃብዎም። ንደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕፃ ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት ሃብዎም። ከምዙይ ገይሮም ደቂ እስራኤል እተን ከተማታት ምስ መዋፈሪኣተን ንሌዋውያን ሃብዎም። ስለዙይ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ኣብ ላዕሊ ተሰምየን ዘለዋ ኸተማታት ብዕፃ ሃብዎም። ንገሊኣቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀኣት ከዓ ኻብ ምድሪ ነገድ ኤፍሬም ከተማታት ብፅሒት ነበሮም። ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም፥ እታ ኸተማ ዑቕባ ዝኾነት ሰኬም፥ ጌዝር፥ ዮቅመዓም፥ ቤትሖሮን፥ ኤሎንን፥ ጋትሪሞንን፥ መምስ መዋፈሪኣተን ሃብዎም። ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀኣት፥ ዓኔርን ቢልዓምን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ሃብዎም። ደቂ ጌድሶን እዘን ዝስዕባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ፦ ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴ፥ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላንን ኣስታሮትን መምስ መዋፈሪኣተን። ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ቃዴስን ዳብራትን፥ ሬሞትን ዓኔምን መምስ መዋፈሪኣተን። ካብ ነገድ ኣሴር፥ ማሻልን ዓብዶንን፥ ሑቆቅን ረኣብን መምስ መዋፈሪኣተን። ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ እታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስን ሓሞንን ቂርያታይምን መምስ መዋፈሪኣተን። ካብቶም ዝተረፉ ደቂ ሌዊ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ እዘን ዝስዕባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ፦ ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ሬሞንን ታቦርን መምስ መዋፈሪኣተን፤ ኣብ ሰገር ዮርዳኖስ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ከዓ፥ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ ቦሶርን ያሳን፥ ቅዴሞትን ሜፍዓትን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን፤ ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራማትን ገለዓድን መሓናይምን፥ ሓሴቦንን ኢያዜርን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ። ደቂ ይሳኮር ኣርባዕተ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ቶላ፥ ፉዋ፥ ያሱብ፥ ሺምሮን እዮም። ደቂ ቶላ ኸዓ፥ ኦዚ፥ ረፋያ፥ ይሪኤል፥ የሕማይ፥ ይብሳም፥ ሰላምኤል ነበሩ። እዚኣቶም ናይ ዓሌት ቶላ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ብዘመን ዳዊት ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓያላት ተዋጋእቲ ነበርዎም። ዑዚ ንይዝራሕያ ወለደ፤ ይዝራሕያ ድማ ንሚካኤል፥ ንኣብድዩ፥ ንኢዩኤል፥ ንይሺያ ወለደ፤ ሓሙሽቲኦም ከዓ ኣሕሉቕ ነበሩ። ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ነበርዎም። ስለዙይ በብትውልዶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ንውግእ ዝተዳለዉ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ ሰባት ነበሩ። ኣብ ኵሎም ዓሌታት ይሳኮር፥ ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተቘፀሩ፥ ሰማንያን ሸውዓተን ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም። ደቂ ብንያም፦ ቤላ፥ ቤኬር፥ ይዲኤል ሰለስተ እዮም። ደቂ ቤላ፦ ኤሴቦን፥ ኦዚ፥ ዑዝኤል፥ ኢያሪሙት፥ ዒሪ፤ ሓሙሽቲኦም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ። ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተቘፀሩ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም። ደቂ ቤኬር፦ ዝሚራ፥ ኢዮዓስ፥ ኣልዓዛር፥ ኤልዮዔናይ፥ ዖምሪ፥ ኢያሪሙት፥ ኣቢያ፥ ዓናቶት፥ ዓሌሜት፤ እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ቤኬር እዮም። ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ኮይኖም በብትውልዶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ተቘፀሩ። ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓያላት ጀጋኑ ድማ ነበርዎም። ይዲኤል ንቢልሃ ወለደ፤ ቢልሃ ድማ ንየዑስን ንብንያምን ንናዖድን ንክንዓናን ንዜታንን ንተርሴስን ንኣኪሳኣርን ወለደ። እዚኣቶም ደቂ ይድኤል ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ንውግእ ዝተዳለዉ ዓሰርተ ሸውዓተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም። ዒር ንሳፊንን ንሑፊምን ወለደ፤ ኣሔር ከዓ ንሑሺም ወለደ፤ ንፍታሌም ካብ ቢልሃ ዝወለዶም፦ ያሕፂኤል፥ ጉኒ፥ ዮድር፥ ሺሌም እዮም። ምናሴ፥ ካብታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ንእስርኤልን ንማኪርን ወለደ፤ ማኪር ኣቦ ገለዓድ እዩ። ማኪር ከዓ ንሑፊምን ንሳፊምን ኣንስቲ ኣምፅአሎም። ሓፍቱ ማዓካ ትብሃል ነበረት። ካልኣይ ወዲ ማኪር ሰለጰኣድ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣጓላት ጥራሕ ወለደ። ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደት፤ ፋሬስ ኢላ ኸዓ ሰመየቶ። ንሓዉ ድማ ሱሮስ ኣውፅአትሉ። ደቂ ፋሬስ ከዓ ዑላምን ራቄምን ይበሃሉ ነበሩ። ዑላም ድማ ንባዳን ወለደ፤ እዚኣቶም ደቂ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ወዲ ምናሴ እዮም። ሓፍቱ መለኬት ከዓ ንኢሱዲን ንኣቢዔዝርን ንመሕላን ወለደት። ደቂ ሸሚዳም ድማ ኣሒያንን ሴኬምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም። ደቂ ኤፍሬም ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ኤፍሬም ንሹቱላ ወለደ፤ ሹቱላ ንባሬድ ወለደ፤ ባሬድ ንታሓት ወለደ፤ ታሓት ንኤልዓዳ ወለደ፤ ኤልዓዳ ንታሓት ወለደ። ታሓት ንዛባድ ወለደ፤ ዛባድ ንሹቱላ ወለደ፤ ሹቱላ ንኤድርን ንኤልዓድን ወለደ፤ ኤድርን ኤልዓድን ከፍቲ ኽዘምቱ ንጋት ወሪዶም ነበሩ እሞ፥ በቶም ኣብታ ሃገር ዝተወለዱ ሰብ ጌት ተቐተሉ። ኣቦኣቶም ኤፍሬም ከዓ ብዙሕ መዓልቲ ሓዘነ፤ ኣሕዋቱ ድማ ኸፀናንዕዎ መፁ። ናብ ሰበይቱውን ኣተወ፤ ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። ኣብ ቤተሰቡ መከራ ስለ ዝመፆ ኸዓ በሪዓ ኢሉ ሰመዮ። ኤፍሬም፥ ሲኦራ እትበሃል ጓል ነበረቶ። ንሳ ንታሕተዋይን ላዕለዋይን ቤትሖሮንን፥ ንኡዜንሼራን ዝበሃላ ኸተማታት መስረተት። ኤፍሬም ንፋፌ ወለደ፤ ፋፌ ንሬሴፍ ወለደ፤ ሬሴፍ ንቴላ ወለደ፤ ቴላ ንታሓን ወለደ፤ ታሓን ንለኣዳን ወለደ፤ ለኣዳን ንዓሚሁድ ወለደ፤ ዓሚሁድ ንኤሊሳማ ወለደ፤ ኤሊሳማ ንነዌ ወለደ፤ ነዌ ንኢያሱ ወለደ፤ እቲ ዝሓዝዎን ዝተቐመጥዎን ምድሪ እዙይ እዩ፦ ቤትኤልን ከተማታታን፥ ብምብራቕ ናዓራን፥ ብምዕራብ ጌዘር ምስ ከተማታታ፥ ሴኬምን ከተማታታን ድማ ኽሳዕ ጋዛን ከተማታታን፥ ብወሰን ደቂ ምናሴ ኸዓ፥ ቤትሳንን ከተማታታን፥ ታዕናክን ከተማታታን፥ መጊዶን ከተማታታን፥ ዶርን ከተማታታን። ደቂ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ኣብዚኣተን ይቕመጡ ነበሩ። ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ የሱዋ፥ የሱዊ፥ በሪዓ፥ ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶም። ደቂ በሪዓ ሔቤርን ኣቦ ቢርዛዊት ዝነበረ መልኪኤልን ነበሩ። መልኪኤል ንኸተማ ቢርዛዊት ዝመስረተ እዩ። ሔቤር ድማ ንያፍሌጥን ንሳሜርን ንኮታምን ንሓፍቶም ሶላን ወለደ፤ ያፍሌጥ ድማ ንፋሴክን ቢምሃልን ዓሲትን ወለደ፤ እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ ነበሩ። ደቂ ሳሜር፦ ኣኪ፥ ሮኣጋ፥ ይሑባ፥ ኣራም ነበሩ። ደቂ ኤላም ሓዉ፦ ፆፋ፥ ይምና፥ ሰሌስ፥ ዓማል ነበሩ። ደቂ ፆፋ፥ ሱዋ፥ ሓርኔፍር፥ ሶጋል፥ ቤሪ፥ ይምራ፥ ቤፄር፥ ሆድ፥ ሳማ፥ ሰሊሳ፥ ይትራን፥ ብኤራ ነበሩ። ደቂ ዮቴር፦ ዮሮኒ፥ ፊስጳ፥ ኣራ ነበሩ። ደቂ ዑላ፦ ኤራ፥ ሓኒኤል፥ ሪፅያ ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኣሴር፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ሕሩያት፥ ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣሕሉቕ መኳንንቲ ነበሩ። እቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ተዋጋእቲ፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ነበሩ። ደቂ ብንያም ሓሙሽተ እዮም፦ በዅሪ ቤላን፥ ካልኣይ ኣስቤል፥ ሳልሳይ ኣሕራሕ፥ ራብዓይ ኖሓ፥ ሓምሻይ ራፋ እዮም። ደቂ ቤላን ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ኣዳር፥ ጌራ፥ ኣቢሁድ፥ ኣቢሱ፥ ናዕማን፥ ኦሖዋ፥ ጌራ፥ ሰፉፋን፥ ሑራም እዚኣቶምውን ደቂ ኤሁድ እዮም። ደቂ ናዖድ ዓማንን ኣሕያን ጌራን ነበሩ። እዚኣቶምውን ደቂ ኤሁድ እዮም፤ ነቶም ኣብ ገባዖን ዝተቐመጡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት እዮም። ተማሪኾም ከዓ ናብ መናሓት ከዱ። ኣብኡ እንትነብሩ ጌራ ኣቦ ዖዛን ኣሒሑድን መርሖም። ሸሓራይም ከዓ ነተን ኣንስቱ ሑሺምን በዕራን ምስ ፈትሐን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ደቂ ወለደ፤ ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸዓ ንዮባብን ንዲብያን ንሜሴን ንማልካምን፥ ንይዑፅን ንሻኽያን ንሚርማን ወለደ፤ እዚኣቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ። ካብ ሑሺም ከዓ ንኣቢጡብን ንኤልፍዓልን ወለደ። ኤልፍዓል ድማ፥ ንዔቤርን ንሚሻምን ንሻሚድን ወለደ፤ ንሱ ነተን ኣኖን ሎድን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ ቍሸታተን ዝመስረተ እዩ። በሪዓን ሸማዕን ዋናታት እቶም መማይ ቤት ኣቦታት እቶም ኣብ ኣያሎ ዝቕመጡ ዝነበሩ እዮም። ንሳቶም ነቶም ኣብ ጌት ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰጐጕዎም። ኣሕዮን ሻሻቅን ይሬምትን፥ ዝባድያን ዓራድን ዔድርን፥ ሚካኤልን ይሽጳን ዮሓን ድማ ደቂ በሪዓ እዮም። ዝባድያን ሜሱላምን ሕዝቂን ሔቤርን፥ ይሽምራይን ይዝሊያን ዮባብን ከዓ ደቂ ኤልፍዓል እዮም። ያቂምን ዝክሪን ዘብዲን፥ ኤሊዔናይን ፂልታይን ኤሊኤልን፥ ዓዳያን ብራያን ሺምራትን ድማ ደቂ ሰሜኢ እዮም። ይሽፋንን ዔቤርን ኤሊኤልን፥ ዓብዶንን ዝክሪን ሓናንን፥ ሓናንያን ዔላምን ዓንቶትያን፥ ይፍዴያን ፋኑኤልን ከዓ ደቂ ሶሴቅ እዮም። ሸምሽራይን ሸሓርያን ጎቶልያን፥ ያሬሽያን ኤሊያስን ዝክሪን ድማ ደቂ ይሮሓም እዮም። እዚኣቶም ኣብ ትውልዶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ኣሕሉቕ ነበሩ፤ ንሳቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ። ይዒኤል ንገባዖን መስረታ፤ ኣብኣ ኸዓ ይቕመጥ ነበረ፤ ሰበይቱ ድማ መዓካ ትበሃል ነበረት። በዅሪ ወዱ ዓብዶን ይበሃል ነበረ፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ዱርን ቂስን በዓልን ናዳብን፤ ጌዶርን ኣሕዮን ዛኩርን ዝበሃሉ ኣብ ገባዖን ተቐመጡ። ሚቅሎት ከዓ ንሳምኣ ወለደ፤ እዚኣቶም ኣብ ጥቓ ኣሕዋቶም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ። ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ድማ ንዮናታንን ንሜልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ፤ ዮናታን ንመሪበዓል ወለደ፤ መሪበዓል ንሚካ ወለደ፤ ሚካ ንፒቶንን ሜሌክን ታሬዓን ኣካዝን ወለደ፤ ኣካዝ ንይሆዓዳ ወለደ፤ ይሆዓዳ ንዓሌሜትን ንኣዝሞትን ንዘምሪን ወለደ፤ ዘምሪውን ንሞፃ ወለደ፤ ሞፃ ንቢንዓን ወለደ፤ ቢንዓን ንረፋያ ወለደ፤ ረፋያ ንኤልዓሳ ወለደ፤ ኤልዓሳ ንኤሴል ወለደ፤ ንኤሴል ሽዱሽተ ውሉድ ነበሮዎ፤ ስማቶም ድማ፥ ዓዝሪቃም፥ ቦክሩ፥ እስማኤል፥ ሽዓሪያ፥ ኣብድዩ፥ ሓናን ይበሃሉ፤ እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኤሴል እዮም። ደቂ ኣሴል ሓዉ፦ በዅሪ ኡላም፥ ካልኣይ ኢያስ፥ ሳልሳይ ኤሊፋላት። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ብንያም ነበሩ። ህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከይዶም ነበሩ። እቶም ቀዳሞት ኣብ ረርስቶምን ኣብ ከከተማኣቶምን ተመሊሶም ዝቕመጡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካህናትን ሌዋውያንን ንስራሕ ቤተ መቕደስ ዝተመደቡን ካልኦት እስራኤላውያንን ናታኒምን ነበሩ። ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ፦ ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፥ ወዲ ዖምሪ፥ ወዲ ኣምሪ፥ ወዲ ባኒ እዮም። ካብ ሴሎናውያን ወዲ ይሁዳ፦ ዓሳያ እቲ በዅርን ደቁን ነበሩ። ካብ ደቂ ዛራም ወዲ ይሁዳ፦ የዑኤልን እቶም ኣሕዋቶምን፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ተስዓን ነበሩ። ካብ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ድማ፦ ሳሉ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሖዳይዋ፥ ወዲ ሓስኑኣ፤ ብኔያ ወዲ ይሮሓም፥ ኤላ ወዲ ኦዚ፥ ወዲ ሚክሪ፥ ሜሱላም ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ራጉኤል፥ ወዲ ይብኒያ፤ ሰባት ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት በብቤት ኣቦታቶም ነበሩ። ካብ ካህናት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ዮዳኤ፥ ዮኣሪብ፥ ያኪን፥ ኣዛርያስ ወዲ ኬልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ። ኣኪጦብ ሹም ቤት እግዚኣብሄር ነበረ። ዓዳያ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ጳስኮር፥ ወዲ መልክያ፥ መዕሳይ ወዲ ዓዲኤል ወዲ የሕዜራ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ምሺላሚት፥ ወዲ ኢሜር። እቶም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ዝነበሩ ኻህናት ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ። ንሳቶም ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘገልግሉ ዝነበሩ የመና ብልሓተኛታት ሰባት ነበሩ። ካብ ሌዋውያን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ሸማያ ወዲ ኣሱብ፥ ወዲ ዓዝሪቃም፥ ወዲ ኣሳብያ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ፥ በቅበቃርን ኤሬስን ጋላልን፥ መታንያ ኸዓ ወዲ ሚካ፥ ወዲ ዝክሪ፥ ወዲ ኣሳፍ፥ ኣብድያ ወዲ ሰሙስ፥ ወዲ ጋላል፥ ወዲ ኤዶታም፥ በራክያ ወዲ ዓሳ፥ ወዲ እቲ ኣብ ዓድታት ነጦፋውያን ዝተቐመጠ ሕልቃና ነበሩ። ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ከዓ እዚኣቶም እዮም፤ ሓለውቲ በሪ ድማ፦ ሰሎምን ዓቁብን ጤልሞንን፥ ኣሒማንን ኣሕዋቶምን ነበሩ፤ ሰሎም ድማ ሓለቓ ነበረ። ንሳቶም ክሳዕ ሎሚ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ንጉስ ይሕልዉ ነበሩ፤ እዚኣቶም ቀደም ሓለውቲ ደገ ሰፈር ደቂ ሌዊ ነበሩ። ሰሎም ከዓ ወዲ ቆሬ፥ ወዲ ኣብያሳፍ፥ ወዲ ቆሬ፥ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዝኾኑ ኣሕዋቱ ቆሬያውያን ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፤ ኣቦታቶምውን ኣብ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነይሮም እዮም። ቅድም ኢሉ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ። ዘካርያስ ወዲ ሜሱላም ሓላዊ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነበረ። እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ኣፍ ደገታት ሓለውቲ ክኾኑ ዝተሓርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ኣዓዶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ነበሩ። ንኣኣቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ዝመደብዎም ዳዊትን እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነበሩ። ንሳቶምን ደቆምን ከዓ ነቲ ደገታት ድንኳን ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ቤት እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ። እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲአን መኣዝን ብምብራቕ፥ ብምዕራብ፥ ብሰሜን፥ ብደቡብ ይቖሙ ነበሩ። እቶም ኣብ ኣዓዶም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ከዓ በብተራ መፂኦም ሸሸውዓተ መዓልቲ ብምሕላው ይሕግዝዎም ነበሩ። እዞም ኣርባዕተ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ደገ ሌዋውያን ነበሩሞ። ሓለፍቲውን ንሳቶም ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ክፍልታትን መዛግብትን ከዓ ምሩፃት ነበሩ። ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፥ ኣብ ዙርያ ቤት እግዚኣብሄር ይሓድሩ ነበሩ፤ ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ ሓላፍነቶም ነበረ። ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑ ኣገልግሎት ሓለፍቲ ነበሩ እሞ፥ ቈፂሮም የእትውዎ፤ ቈፂሮም ከዓ የውፅእዎ ነበሩ። ገሊኣቶም እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑ፥ ኣብ ኵሉ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ ዋናታት ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ልሑም ሕሩጭን ወይንን ዘይትን ዕጣንን ቀመማትን ከዓ ሹመኛታት ነበሩ። ካብቶም ደቂ ካህናት ድማ ገሊኣቶም ካብቲ ጥዑም ዝጨናኡ ቐመማት ቅብኣት የዳልዉ ነበሩ። ማቲትያ ኸዓ ኻብቶም ሌዋውያን፥ በዅሪ ወዱ ንሻሉም እቲ ቈራሓዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣምላኽ መባእ ዝውፈ ቕጫ ዝስንክቱ ሓላፊ ነበረ። ካብ ኣሕዋቶም ድማ፥ ካብቶም ደቂ ቀኣት ገሊኣቶም ሰንበት ሰንበት ሕብስቲ ቝርባን ከዳልዉ ሓላፍነት ነበሮም። ገሊኣቶም ሌዋውያን ከዓ መዘምራን ነበሩ። ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ ኣብቲ ኽፍልታት ቤተ መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። ለይትን መዓልትን ብስራሖም ፅሙዳት ዝነበሩ፥ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ነፃ ነበሩ። እዚኣቶም በብትውልዶም ኣሕሉቕ ነበሩ፤ በብማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያንውን ዋናታት ነበሩ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ይቕመጡ ነበሩ። የዒኤል ድማ ንኸተማ ገባዖን መስሪቱ ኣብኣ ተቐመጠ፤ ማዓካ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ። በዅሪ ወዱ ድማ ዓብዶን ይበሃል ነበረ። ብድሕሪኡ ድማ ንዱርን ቂስን በዓልን ኔርን ናዳብን፥ ጌዶርን ኣሕዮን ዘኵርን ሚቅሎትን ኣብ ገባዖን ይቕመጡ ነበሩ፤ ሚቅሎት ከዓ ንሳምኣ ወለደ፤ እዚኣቶም ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቶም ይቕመጡ ነበሩ። ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ከዓ ንዮናታንን ንማልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ። ዮናታን ንመሪብ ባዓል ወለደ፤ መሪብ ባዓል ንሚካ ወለደ። ደቂ ሚካ፥ ፒቶንን ሜሌክን ታሬዓን ኣካዝን ነበሩ። ኣካዝ ንየዕራ ወለደ፤ የዕራ ንዓሌሜትን ዕዝሞትን ዘምሪን ወለደ፤ ዘምሪ ንሞፃ ወለደ። ሞፃ ንቢንዓ ወለደ፤ ቢንዓ ንረፋያ ወለደ፤ ረፋያ ንኤልዓሳ ወለደ፤ ኤልዓሳ ንኤሴል ወለደ። ኤሴል ድማ ዓዝሪቃም፥ ቦክሩ፥ እስማኤል፥ ሸዓሪያ፥ ዓብድዩ፥ ሓናን፥ ዝበሃሉ ሽዱሽተ ደቂ ነበርዎ። እዚኣቶም ደቂ ኤሴል እዮም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ደቂ እስራኤል ተዋግኡ፤ ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ። ብዙሓት ድማ ተወጊኦም ኣብ እምባ ጊልቦዓ ተቐተሉ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ስዒቦም ኣባረርዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፥ ንዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳን ንሰዓን ቀተልዎም። ኣብቲ ሳኦል ዝነበሮ ኸዓ ውግእ በርትዐ፤ እቶም ወርወርቲ ቀስቲውን ኣርኪቦም ወግእዎ። ሽዑ ሳኦል ነቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ግና እምብዛ ስለ ዝፈርሐ፥ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ። እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ኸዓ፥ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ። በዝ ኸምዙይ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ሞቱ፤ ኵሎም ቤተሰቡውን ብሓንሳእ ሞቱ። እቶም ኣብ ለሰ ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል፥ ሰራዊቶም ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ድማ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ከተማታቶም ሓዲጎም ሃደሙ፤ ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን። ንፅባሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መፁ፤ ንሳኦልን ንደቁን ከዓ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም። ሽዑ ንሳኦል ርእሱ ቘሪፆም፥ ኣፅዋሩ ገፊፎም ወሰዱ። ንጣዖታቶምን ነቲ ህዝብን ምእንቲ ኸበስሩ ኸዓ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ልኡኻት ሰደዱ። ነቲ ኣፅዋሩ ድማ ኣብ ቤት ኣማልኽቶም ኣንበርዎ፤ ንርእሱ ኸዓ ኣብ ቤት ጣዖት ዳጎን ሰቐልዎ። ኵሎም ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ከዓ እቲ ዅሉ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፥ ጀጋኑ ዝኾኑ ዅሎም ሰባት ተሲኦም ከዱ እሞ፥ ንሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ወሲዶም ናብ ኢያቢስ ኣምፅእዎም። ነቲ ኣዕፅምቶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ኢያቢስ ዘላ ዓባይ ኦም ቀበርዎ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ ፆሙ። ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ቀሰፎ። ነታ መንግስቱ ኸዓ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣሕለፋ። ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ተኣኪቦም መፁ እሞ ኸምዙይ በልዎ፦ “እኒሀና ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና። ካብ ቀደምውን ሳኦል ነጊሱ እንተሎ፥ ንእስራኤል እተእቱን እተውፅእን ዝነበርካ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤልውን መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ዝበለካ ንኣኻ እዩ።” ስለዙይ ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ። እቶም ኣብ ኢያቡስ ዝቕመጡ ከዓ ንዳዊት “ናብዙይ ኣይትኣቱን ኢኻ” በልዎ። ዳዊት ግና ንእምባ ፅዮን ሓዛ። ንሳውን ከተማ ዳዊት እያ። ዳዊት ከዓ “እቲ ቐዲሙ ንኢያቡሳውያን ዝተዋግኦም፥ ሓለቓን ኣዛዚ ሰራዊተይን ክገብሮ እየ” በለ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ኣቐዲሙ ወፀ፤ ሓለቓውን ኮነ። ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ስለዙይ ድማ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ። ካብ ሚሎ ጀሚሩ ኣብ ዙርያኡ ኸተማ ሰርሐ፤ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኢዮኣብ ኣዐረዮ። ዳዊት ድማ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ። እቶም ምስ ኵሉ እስራኤል ኮይኖም፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ዝበሎ፥ ንዳዊት ዘንገስዎን፥ መንግስቱ ኽድልድል ከዓ ዝሓገዝዎን ኣሕሉቕ ሓያላት እዚኣቶም እዮም። ቍፅሪ እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ ነበረ፦ ያሾበዓም፥ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፥ ሓለቓ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ፥ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓደ ሻዕ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ዝቐተለ እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ዱዲ፥ ኣሖሓዊ እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ ነበረ። ንሱ ኣብ ፈስደሚም ምስ ዳዊት ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንውግእ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ፤ ኣብኡ ድማ ግራት ስገም ነበረት፤ እቶም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ። ንሱ ግና ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ ነታ ግራት ኣድሓና፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ተዋጊኡ ሰዓሮም፤ እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ዓወት ሃቦ። ካብቶም ሰላሳ ጀጋኑ ድማ ሰለስተ ናብታ ኰዅሒ፥ ናብታ ዳዊት ዝነበረላ በዓቲ ኣዶላም ወረዱ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ለሰ ራፋይም ሰፊሩ ነበረ። ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ እቲ ዕርዲ ነበረ፤ ሓሻኽር ፍልስጥኤማውያን ድማ ንቤተ ልሔም ሒዞምዋ ነበሩ። ዳዊት ከዓ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ መን ማይ መስተየኒ” ኢሉ ተመነየ። ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፥ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ ማይ ቀዲሖም ንዳዊት ኣምፅኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከም መስዋእቲ ገይሩ ኣፍሰሶ እምበር ክሰትዮ ኣይደለየን። “ህይወቶም ወፍዮም ኣምፂኦምዎ እዮም እሞ፥ ደም እዞም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ? ነዙይ ኣይገብሮን እየ፤ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ” በለ። ስለዙይ ክሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዝገበርዎ እዙይ እዩ። ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ከዓ ሓለቓ እቶም ሰላሳ ነበረ። ንሱ ድማ ዂናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ ድማ ስሙይ ነበረ። ካብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፤ ሓለቓኦም ከዓ ኾነ። ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበፅሐን። በናያስ ወዲ ዮዳሄ በዓል ቀብስኤል ዓብዪ ነገር ዝገበረ ሓደ ጅግና ሰብ ነበረ። ንሱ ኽልተ ውሩያት ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተለ። ሓደ ጊዜ ድማ በረድ ኣብ ዝወቕዐሉ እዋን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ። ከምኡውን ንሓደ ቑመቱ ልዕሊ ኽልተ ሜትር ንዝኾነ ነዊሕ ግብፃዊ ሰብኣይ ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብፃዊ ሰብኣይ ክንዲ ናይ ኣላማይ መጠቕለሊ ዝኸውን ኲናት ነበረ፤ በናያስ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ። ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብፃዊ መንዚዑ ድማ በገዛ ዂናቱ ቐተሎ። በናያስ ወዲ ዮዳሄ እዝ ነገር እዙይ ገይሩ ነበረ እሞ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ። እንሆ፥ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ዝኸበረ ነበረ፤ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበፅሐን፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘብዐኛታት ሸሞ። እቶም ናይ ውግእ ጀጋኑ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዓሳሄል ሓው ኢዮኣብ፥ ኤልያና ወዲ ዱዲ በዓል ቤተልሔም። ሳሞት ሃሮራዊ፥ ሴሌስ ፈሎናዊ፥ ዒራስ ወዲ ዒስካ ቴቍሔያዊ፥ ኣቢዔዝር ኣናቶታዊ፥ ሴቤካይ ኩሳታዊ፥ ዔላይ ኣሖሓዊ፥ ኖኤሬ ነጦፋዊ፥ ሔሌድ ወዲ በዓና ነጦፋዊ፥ ካብቶም ደቂ ብንያም፥ ኤታይ ወዲ ሪባይ ካብ ጊብዓ፥ በናያስ ጲርዓቶናዊ፥ ኡሪ ኻብ ሩባታት ገዓስ፥ ኣቢኤል ዓረባዊ፥ ዓዝሞት ባሕሩማዊ፥ ኤሊያሕባ ሰዓልቦናዊ፥ ደቂ ኣሳን ጊዞናዊ፥ ዮናታን ወዲ ሻጌ ሃራራዊ፥ ኣምናን ወዲ ኣራር ኣሮዳዊ፥ ኤሊፋል ወዲ ኡር፥ ኦፌር ምኬራታዊ፥ ኣኪያ ፍሎናዊ፥ ሓፅሮ ቀርሜሎሳዊ፥ ነዕራይ ወዲ ኤዝባይ፥ ኢዮኤል ሓው ናታን፥ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፥ ቤሮታዊ፥ ዒራስ ይትራዊ፥ ጋሬብ ይትራዊ፥ ኦርዮ ኬጢያዊ፥ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፥ ምስኡ ነበሩ። ሓናን ወዲ ማዕካ፥ ኢዮሳፍጥ ሚትናዊ፥ ዖዝያ ኣስታሮታዊ፥ ሻማን ይኢኤልን ደቂ ኮታም ዓሮዔራዊ፥ ደቂ ሺምረ ይዲኤል፥ ቲፃዊ ሓው ዮሓን፥ ኤሊኤል ማሓዋዊ፥ ደቂ ኤልናዓም፥ ይሪባይን ዮሻውያን፥ ይትማ ሞኣባዊ፥ ኤሊኤልን ዖቤድን ያዕሲኤል ምፆባዊን። ዳዊት ገና ኻብ ገፅ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓቢኡ ኣብ ፂቅላግ ክነብር እንተሎ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝሓገዝዎ ጀጋኑ ናብኡ መፁ። ንሳቶም ብየማኖም ኮነ ብፀጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዝኽእሉ ብቐስቲውን ፍላፃ ዝውርውሩ ተዋጋእቲ ነበሩ። ንሳቶም ኣዝማድ ሳኦል ካብ ነገድ ብንያም ነበሩ። ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦ ኣሒዔዝር እቲ ሓለቓኦምን ኢዮኣስን ደቂ ሸማዓ ጊብዓዊ፥ ይዝኤልን ፋሌጥን ደቂ ኣዝሞዌት፥ በራክያ ኢዩ ዓናቶታውን፥ ሰማያስ ገባዖናዊ፥ ንሱ ናይቶም ሰላሳ ሓለቓ ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ኤርሚያስ፥ ያሕዝኤል፥ ዮሓናን፥ ዮዛባት ገድሮታን፥ ኤሉዛይ፥ ኢያሪሙት፥ በዓልያ፥ ሰማርያ፥ ሰፋጥያስ ሓሩፋን፥ እቶም ቆሬሓውያን፦ ሕልቃና፥ ይሽያ፥ ዓዛርኤል፥ ዮዛር፥ ያሾብዓም። ደቂ ይሮሓም በዓል ግዶር ከዓ ዮዔላን ዘባድያን፥ ሓድሓደ ኻብ ነገድ ጋድ ከዓ ኸዲዖም ናብ ዳዊት ናብቲ እምባ ኣብ በረኻ ዘሎ ምሽግ መፁ፤ ንሳቶም ሓያላት ጀጋኑ፥ ንውግእ ዕሉማት፥ ዋልታን ኲናትን ዝተዓጥቁ ሰባት ነበሩ። ገፆም ድማ ኸም ገፅ ኣናብስ ዘፍርሕ ነበረ፤ ከም ሰስሓውን ኣብ እምባታት ቅልጡፋት ነበሩ። ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦ ሓለቓኦም ዔፄር፥ ካልኣይ ኣብድዩ፥ ሳልሳይ ኤልያብ፥ ራብዓይ መስመና፥ ሓምሻይ ኤርሚያስ፥ ሻድሻይ ዓታይ፥ ሻውዓይ ኤሊኤል፥ ሻምናይ ዮሓናን፥ ታሽዓይ ኤልዛባድ፥ ዓስራይ ኤርሚያስ፥ መበል ዓሰርተ ሓደ መክበናይ፥ እዚኣቶም ካብ ደቂ ጋድ ኣሕሉቕ ሰራዊት እዮም ዝነበሩ፤ ካብኣቶም እቲ ዝነኣሰ ሚእቲ፥ ዝዓበየ ኽንዲ ሽሕ ነበሩ። እቶም በታ መጀመርታ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወሰና ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ እንተላ ዝተሳገሩ፥ ነቶም ኣብ ለሰታት ዝነብሩ ዅሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጕዎም ድማ እዚኣቶም እዮም። ካብ ደቂ ብንያምን ይሁዳን ከዓ ናብ ዳዊት፥ ናብቲ እምባ መፁ። ዳዊት ድማ ክራኸቦም ወፀ፤ ንሱ ኸዓ፦ “ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም ናባይ እንተ ደኣ መፂእኹም ኴንኩም፥ ልበይ ምሳኻትኩም ክሰማማዕ ድልዊ እዩ። ኣነ ኣብ ኢደይ ዝኾነ ዓመፅ ዘይብለይ እንትኸውን ኣብ ኢድ ፀላእተይ ኣሕሊፍኩም ክትህቡኒ እንተ መፂእኹም ግና፥ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይፍረድ” በሎም። ዳዊት ከዓ ተቐበሎም፤ ኣሕሉቕ ጭፍራ ድማ ገበሮም። ዳዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ኮይኑ ንሳኦል ክዋጋእ ምስ ወፀ፥ ሓድሓደ ኻብ ነገድ ምናሴ ኸዲዖም ናብ ዳዊት መፁ። ግና እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን “ኣራእስና ቘሪፁ ንጐይታኡ ሳኦል ክሕግዝ እዩ” ኢሎም መኺሮም ንፂቅላግ ስለ ዝሰደድዎ ምስ ሳኦል ኣይተዋግአን። ናብ ፂቅላግ ክምለስ እንተሎ ድማ ኻብ ነገድ ምናሴ ናብኡ ዝሓለፉ እዚኣቶም እዮም፦ ዓድና፥ ዮዛባት፥ ይዲኤል፥ ሚካኤል፥ ዮዛባድ፥ ኤሊሁ፥ ፂልታይ እዮም። እዚኣቶም ናይ ነገድ ምናሴ ኣሕሉቕ ሽሕ ነበሩ። ንሳቶም ኵሎም ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣብቲ ሰራዊት ከዓ ኣሕሉቕ ዝኾኑ እዮም ዝነበሩ እሞ፥ ንዳዊት ኣንፃር እቲ ጭፍራ ወረርቲ ሓገዝዎ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንዳዊት ምእንቲ ኽሕግዝዎ ሰባት ይመፁ ነበሩ እሞ፥ እቲ ሰራዊት ከም ሰራዊት ኣምላኽ ዓብዪ ኾነ። እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምእንቲ ኸሳግርዋ ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመፁ ተዋጋእቲ ቝፅሮም እዙይ እዩ፦ ደቂ ይሁዳ፥ ዋልታን ኲናትን ዝፆሩ፥ ንውግእ ዝተሰለፉ ሽዱሽተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን። ካብ ደቂ ስምኦን፥ ንውግእ ዝተዳለዉ ሓያላት ጀጋኑ ሸውዓተ ሽሕን ሚእትን። ካብ ደቂ ሌዊ ኣርባዕተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን። ዮዳሄ፥ እቲ መስፍን ማይ ቤት ኣሮን፥ ምስኡ ኸዓ ሰለስተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን። ሳዶቅ ድማ ጐበዝ፥ ሓያል ጅግና፥ ምስኡ ኸዓ ዕስራን ክልተን ኣሕሉቕ ካብ ቤት ኣቦኡ። ካብ ደቂ ብንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ። ክሳዕ እዝ እዋን እዙይ ዝበዝሑ ኻብኣቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ፀኒዖም ነበሩ። ካብ ደቂ ኤፍሬም ከዓ ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት፥ ዕስራ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ሰባት። ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ፥ ንዳዊት ከንግስዎ ዝመፁ፥ በብስሞም ዝተሰምዩ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ። ካብ ደቂ ይሳኮር ከዓ፥ እስራኤል እንታይ ክገብር ከም ዝግብኦ ዝፈልጡ፥ ምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፥ ክልተ ሚእቲ ዋናታት፥ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ዝኾኑ ዅሎም ኣሕዋቶም። ካብ ዛብሎን ብዅሉ ዓይነት ኣፅዋር ውግእ ዝተዓለሙ፥ ፈላጣት ስርዓት ውግእ ንዳዊት ከዓ ብዘይምውልዋል ብልቢ ዘገልግልዎ ሓምሳ ሽሕ። ካብ ንፍታሌም ከዓ ሽሕ ኣሕሉቕ፥ ምስኣቶም ድማ ብዋልታን ኲናትን ዝተሰለፉ ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕ። ካብቶም ሰብ ዳን ከዓ ንውግእ ዝተሰለፉ ዕስራን ሸሞንተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን። ካብ ኣሴር ድማ ንውግእ ተሰሊፎም ናብ ሰራዊት ዝወፁ ኣርብዓ ሽሕ። ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ ኻብ ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፥ ብዅሉ ዓይነት ናይ ሰራዊት ኣፅዋር ውግእ ዝተዓለሙ፥ ሚእትን ዕስራን ሽሕ። ኵሎም እዚኣቶም ንውግእ ዝተዳለዉ ሰራዊት፥ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ከንግስዎ፥ ብፍፁም ልቢ ናብ ኬብሮን መፁ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ከንግስ ተሰማሚዑ ነበረ። ኣሕዋቶም ኣሰናድዮምሎም ነበሩ እሞ፥ ንሳቶም ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ቐነዩ። ኣብ እስራኤል ሓጐስ ኮይኑ ነበረ። እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ድማ፥ ክሳዕ እቶም ኣብ ምድሪ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ዝነብሩ ዝነበሩ በእዱግን በግማልን በባቕልን በብዑርን ብዙሕ ምግቢ፥ እንጀራ፥ ሕሩጭ፥ ጎጎ በለስ፥ ጎጎ ዘቢብ፥ ወይኒ፥ ዘይቲ፥ ከፍቲ፥ ኣባጊዕን ኣጣልን የምፅኡ ነበሩ። ዳዊት፥ ምስ ኵሎም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ሰራዊት ተማኸረ። ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እዙይ ንኣኻትኩም ፅቡቕ መሲሉ እንተ ተርእዩኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ወፂኡ እንተ ኾይኑ፥ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኵለን ሃገራት እስራኤልን፥ ናብተን ካህናትን ሌዋውያንን ዝነብሩለን ከተማታት መምስ ከባቢአንን፥ ልኡኻት ንስደደሎም፤ ንሳቶም ከዓ ናባና ይተኣከቡ። ነቲ ብዘመን ሳኦል ረሲዕናዮ ዝነበርና ታቦት ኣምላኽና ኸዓ ናባና ነምፅኣዮ።” እዝ ነገር እዙይ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ “ሕራይ፥ ከምኡ ንግበር” በሉ። ዳዊትን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናይቲ ኣብ ኪሩቤል ዝቕመጥ እግዚኣብሄር ብስሙ ዝተሰምየ ታቦት ኣምላኽ፥ ካብኡ ኸምፅኡ ናብ በዓላ ቂርያት የዓሪም ናይ ይሁዳ ኸዱ። ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ፅዒኖም ድማ ኻብ ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ። ዖዛን ኣሒዮን ከዓ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ። ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብፀናፅልን ብመለኸታትን ብምሉእ ሓይሎም ይዝምሩ ነበሩ። ኣብ ዓውዲ ኺዶን ምስ በፅሑ ግና እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ክድግፎ ኢሉ ሓዞ። ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ዖዛ ነደደ፤ ነቲ ታቦት ስለ ዝሓዞ ቐሰፎ እሞ፥ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞተ። ዳዊት ድማ፥ እግዚኣብሄር ንዖዛ ስለ ዝቐሰፎ፥ ሐዘነ እሞ፥ ነታ ቦታ እቲኣ፥ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ እትፅወዖ ዘላ መቕሰፍቲ ዖዛ ኢሉ ሰመያ። ዳዊት ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምላኽ ፈሪሑ “ንታቦት ኣምላኽ ከመይ ገይረ ናባይ ከምፅኦ?” በለ። ስለዙይ ድማ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ቤት ኣቢዳራ እቲ ጌትያዊ ኣእተዎ እምበር፥ ናብ ከተማ ዳዊት ኣየግዓዞን። እቲ ታቦት ኣምላኽ ከዓ ምስ ስድራ ኣቢዳራ ጌትያዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንቤት ኣቢዳራን ንዅሉ ዘለዎን ባረኾ። ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ክሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ዝግባን ነደቕትን ፀረብትን ሰደደሉ። ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖን፥ ነታ መንግስቱውን እምብዛ ልዕል ከም ዘበለሉን ኣስተውዓለ። ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ኣእትዩ፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ወለደ። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ደቂ፦ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ኤሊፋላት፥ ኖጋ፥ ናፈቅ፥ ያፌያ፥ ኤሊሳማ፥ በዔሊዳሄ፥ ኤሊፋላት እዮም። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዑ፥ ንዳዊት ክዋግእዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዐ፥ ክዋግኦም ወፀ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ ለሰ ራፋይም ኣትዮም፥ ሓደጋ ኣውደቑ። ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ፥ ኣብ ኢደይዶ ኣሕሊፍካ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ተዋግኣዮም” በሎ። ዳዊት ድማ ናብ በዓልፐራሲም ደዪቡ ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮም። “ውሕጅ ጥሒሱ ኸም ዝኸይድ፥ ኣምላኽ ንፀላእተይ ጥሒሰዮም ከም ዝኸይድ ገበረኒ” በለ። ስለዙይ እታ ቦታ በኣልፐራሲም ተብሃለት። ኣብኣ ፍልስጥኤማውያን ኣማልኽቶም ሓደጉ፤ ዳዊት ከዓ “ብሓዊ ኣቃፅልዎም” ኢሉ ኣዘዘ፤ ብሓዊውን ኣቃፀልዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ኸም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ሓደጋ ኣውደቑ። ዳዊት ድማ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ብቕድሚኦም ገፅ ንገፅ ኣይትግጠሞም፤ ዜርካ ብወገን እቲ ዳዕሮ ተዋግኣዮም እምበር ናብኣቶም ኣይትደይብ። ኣብቲ ኣራእስ ዳዕሮ ናይ ዝረግፅ ድምፂ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣነ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክወቕዖ ቀቅድሜኻ ኽወፅእ እዩሞ፥ ሽዑ ንውግእ ውፃእ” በሎ። ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓርዎም። ዝና ዳዊት ከዓ ኣብ ኵለን ሃገራት ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ዅሎም ኣህዛብ ንዳዊት ከም ዝፈርሕዎ ገበረ። ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ንባዕሉ ኣባይቲ ሰርሐ፤ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ዝኸውን ቦታ ኣዳልዩ ኸዓ ድንኳን ተኸለሉ። ሽዑ ዳዊት “ንታቦት እግዚኣብሄር ክፆሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኸገልግሉ፥ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም እምበር፥ ካልእ ሰብ ንታቦት እግዚኣብሄር ኣይፁሮ” በለ። ዳዊት ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኸደይቦ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም። ዳዊት ድማ ንደቂ ኣሮንን ንሌዋውያንን ኣከቦም። ካብ ደቂ ቀኣት፦ ንኡርኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ዕስራን ኣሕዋቱን፤ ካብ ደቂ ሜራሪ፦ ንዓሳያን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ክልተ ሚእትን ዕስራን ኣሕዋቱን፤ ካብ ደቂ ጌድሶን፦ ንኢዮኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ሰላሳን ኣሕዋቱን፤ ካብ ደቂ ኤሊፃፋን፦ ንሸማያን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ክልተ ሚእቲ ኣሕዋቱን፤ ካብ ደቂ ኬብሮን፦ ንኤሊኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሰማንያ ኣሕዋቱን፤ ካብ ደቂ ዑዝኤል፦ ንኣሚናዳብን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋቱን ኣከቦም። ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ንሳዶቅን ንኣብያታርን፥ ነቶም ሌዋውያን፥ ንኡርኤልን ዓሳያን ኢዮኤልን ሸማያን ኤሊኤልን ኣሚናዳብን ናብኡ ፀውዖም። ንሱ ድማ፦ “ንስኻትኩም ነናይ ማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኣሕሉቕ ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይፆርኩምዎ፥ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸዓ ስለ ዘየገልገልናዮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ሰብ ብምቕሳፍ ቀፅዐና፤ ስለዙይ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሰናደኽዋ ቦታ ኽተደይብዎ፥ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ” በሎም። ሽዑ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምእንቲ ኸደይብዎ ተቐደሱ። እቶም ደቂ ሌዋውያን ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመፃውር ኣብ ማእገሮም ፆርዎ። ዳዊት ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሌዋውያን ነቶም ኣሕዋቶም መዘምራን ብመሳርሒ ሙዚቃ፦ ብመሰንቆን ብበገናን ብፀናፅልን ተሓጒሶም ክቓንዩን ድምፆም ዓው ከብሉን ተዛረቦም። ሽዑ እቶም ሌዋውያን ንኤማን ወዲ ኢዮኤልን ካብ ኣሕዋቱ ድማ ንኣሳፍ ወዲ በራክያን ካብ ደቂ ሜራሪ ኸዓ ንኤታን ወዲ ቂሳን ሓረዩ። ምስኣቶም ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶም ንዝኾኑ ንዘካርያስ፥ ንቤን፥ ንያዝኤል፥ ንሰሚራሞት፥ ንይሒኤል፥ ንዑኒ፥ ንኤሊያብ፥ ንበናያስ፥ ንመዕሴያ፥ ንመቲትያ፥ ንኤሊፍሌሁ፥ ንሚቅኔያ፥ ነቶም ሓለውቲ ድንኳን ዝኾኑ ዖቤድኤዶምን ንይዒኤልን ኣቖሙ። እቶም መዘምራን፥ ኤማንን ኣሳፍን ኤታምን፥ ብፀናፅል ነሃስ ዓው ኣቢሎም ይቓንዩ ነበሩ። ዘካርያስን ዓዝኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን ዑኒን ኤሊያብን መዕሰያን በናያስን ከዓ ብልዑል ዝድምፁ መሰንቆ ይቓንዩ ነበሩ። ማቲትያን ኤልፍሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ሸሞንተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ይቓንዩ ነበሩ። ቀናንያ ሓለቓ ሌዋውያን ከዓ ፈላጥ ስለ ዝነበረ፥ ሓለቓ መዘምራን ነበረ፤ መዝሙር ድማ ይምህር ነበረ። በረክያን ሕልቃናን ድማ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ። ሰበኒያን ኢዮሳፋጥን ናትናኤልን ኣማሳይን ዘካርያስን በናያስን ኣልዓዛርን፥ እቶም ካህናት፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድኤዶምን ይሒያምን ከዓ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ። ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ከዓ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ከደይብዎ ኸዱ። ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን፥ እግዚኣብሄር ምስ ሓገዞም ሸውዓተ ኣዕሩሕን ሸውዓተ ማጓሉን ሰውኡ። ዳዊትን እቶም ኵሎም ታቦት ዝፆሩ ሌዋውያንን፥ እቶም ዘመርትን፥ ከናንያ እቲ መራሒ መዝሙርን፥ እቶም መዘምራንን ብፅሩይ ሃሪ ዝተሰርሐ ካባ ተኸዲኖም ነበሩ። ዳዊት ድማ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ። ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብዕልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን እናዓጀቡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኮት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ክስዕስዕን ክሕጐስን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ዳዊት ንእኡ ዝተኸሎ ድንኳን ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ። ዳዊት ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድአ፤ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብኡትን ነንስትን፥ ሓድሓደ ቕጫን ሓድሓደ ጉማድ ስጋን ሓድሓደ ጎጎ ዘቢብን ዓደሎም። ዳዊት ንሓድሓደ ኻብቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብውዳሴን ብምስጋናን ከገልግሉ ሰርዐ። ንኣሳፍ ሓለቓ ገበሮ፤ ብድሕሪኡ ድማ ንዘካርያስ ካልኣዩ ገበሮ፤ ንይዒኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን መቲትያን ኤልያብን በናያስን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ድማ መሰንቆን በገናን ክቓንዩ መረፆም። ኣሳፍ ከዓ ብፀናፅል ክቓኒ ተመረፀ። እቶም ክልተ ኻህናት ከዓ በናያስን የሕዚኤልን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ኵልሻዕ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዳዊት ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣሳፍን ነሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ሓላፍነት ሃቦም። ግብርታቱ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ንገሩ። ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ንገሩ። ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝደልዩ ይተሓጐስ። ኵልሻዕ ገፁ ድለዩ። ተኣምራቱን፥ ዝሃቦ ፍርድታቱን ዘክሩ። ፍርዱ ንዅላ ምድሪ እዩ። ነቲ ንዘለኣለም ዝኣዘዞ ቓል፥ ነቲ ንይስሓቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ሓሰበ። ንዘለኣለም ዝፀንሕ ኪዳን ገይሩ ኣቖሞ። ግደ ርስትኹም ክትከውን እያ” በለ። ውሑዳትን ኣብኡውን ስደተኛታትን ነበሩ። ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ መንግስቲ ሓለፉ። ምእንታኣቶም ድማ ንነገስታት ገሰፀ። ኣብ ነቢያተይ ከዓ ኽፉእ ኣይትግበሩ። መዓልቲ መዓልቲ ምድሓኑ ኣብስሩ። ኣብ ኵሎም ህዝብታትውን ተኣምራቱ ንገሩ። ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ዝፍራሕ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ። ስልጣንን ሓጐስን ኣብ መቕደሱ ኣሎ። ክብርን ስልጣንንውን ንእግዚኣብሄር ሃብዎ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ስገዱሉ። ኣይትናወፅንውን እያ። ኣብ ኣህዛብ ድማ፥ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ ይበሉ። በረኻን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ። ኣብ ዱር ዘለዉ ኣእዋም ኣብ ቅድሚኡ ብታሕጓስ ይዘምሩ። ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ እሞ፥ ኣመስግንዎ። ካብ ኣህዛብ ከዓ ኣኻኽበናን ኣናግፈናን” በልዎ። ኵሎም ህዝቢ “ኣሜን ይበሉ፤ ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ።” መዓልቲ መዓልቲ ዘድሊ ስራሕ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግሉ፥ ዳዊት ንኣሳፍን ንሌዋውያን ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሓደጎም። ንዖቤድኤዶምን ነቶም ስሳን ሸሞንተን ኣሕዋቶምንውን ምስኣቶም ሓደጎም። ዖቤድኤዶም ወዲ የዱቱንን ሖሳን ሓለውቲ በሪ ነበሩ። ንካህን ሳዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከዓ፥ ኣብቲ ናይ ገባዖን በሪኽ ዘሎ መሕደሪ እግዚኣብሄር ከገልግሉ መደቦም። ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ ዝተፅሓፈ ሕጊ፥ ኵልሻዕ ጊሓትን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ መረፆም። ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ በብስሞም ዝተፀውዑ ሕሩያትን፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝኾነ ኸመስግንዎ ምስኣቶም ነበሩ። ሄማንን የዱቱንን ብመለኸታትን ብፀናፅልን በቲ ዝተረፈ ናይ ምስጋና መሳርሒ ሙዚቃን ኣድሚቖም ክቓንዩ ዝተመረፁ ነበሩ። ንደቂ የዱቱን ከዓ ሓለውቲ በሪ ገበሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናብ ቤቱ ኸደ፤ ዳዊት ከዓ ንቤቱ ኽባርኽ ተመለሰ። ዳዊት ኣብ ቤተ መንግስቱ ይቕመጥ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንነቢይ ናታን “እንሆ ኣነ ብዝግባ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እቕመጥ ኣለኹ፤ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ኣሎ” በሎ። ናታን ከዓ ንዳዊት “እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኵሉ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር” በሎ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መፀ፦ ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ በሎ፦ “ኣነ ዝነብረሉ ቤት ንስኻ ኣይኮንካን እትሰርሐለይ። ካብታ ንእስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኻብ ድንኳን፥ ናብ ድንኳን ካብ መሕደሪውን ናብ መሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፥ ኣብ ቤት ኣይነበርኩን። ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝተመላለስኩሉ፥ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ክመርሑ ዝኣዘዝክዎም ኣሕሉቕ እስራኤል ስለ ምንታይ ካብ ኦም ዝግባ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለውን ኣይተዛረብኩን። “ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ኣነ ኻብቲ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ። ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ምሳኻ ነበርኩ፥ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኽዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ክህበካ እየ። ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኸዳልወሎም እየ፤ ኣብኣ ኸዓ ኽተኽሎም እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ዝህውኾም ኣይህሉን እዩ። ሽዑ ኸምቲ ናይ ቀደም መሳፍንቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ዝገዝኡሉ ዝነበሩ፥ እቶም ደቂ ዓመፅቲ መሊሶም ኣየጨንቕዎምን እዮም። ንዅሎም ፀላእትኻ ድማ ኸዋርዶም እየ። እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ። ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ዕድሜኻ ምስ ተፈፀመ፥ ብድሕሬኻ ንሓደ ኻብ ደቅኻ ዝኸውን ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ንመንግስቱ ኸዓ ኸፅንዓ እየ። ንሱ ንኣይ ቤት ክሰርሐለይ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋኑ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ። ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ድማ ውሉድ ክኾነኒ እዩ። ከምቲ ቕድሜኻ ነጊሱ ንዝነበረ ሳኦል ዝገበርክዎ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ። ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ንዘለኣለም ከቝሞ እየ፤ ዙፋኑ ኸዓ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።” ናታን በዝ ኸምዙይ፥ ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎን ዝገለፀሉን ራእይ ንዳዊት ነገሮ። ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣትዩ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተቐሚጡ ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ክሳዕ ክንድዙይ ዘኽበርካንስ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! እዙይ ድማ ንእሽተይ ኮይኑ ተርኢዩካስ፥ ብዛዕባ ዘርኢ ባርያኻ ብርሑቕ ዝኸውን ትዛረብ ኣለኻ። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ረአኻኒ። “ንኣይ ንባርያኻ ትፈልጠኒ ኢኻ እሞ፥ ደጊምከ ብዛዕባ እዝ ኽብሪ ባርያኻ እዙይ እንታይ ክብል እየ? ኦ እግዚኣብሄር! እዝ ዓብዪ ነገራት እዙይ ዝገበርካለይ፥ ብድሕሪ ሕዚ እውን ዓብዪ ነገር ከም እትገብረለይ ዘፍለጥካኒ፥ ፅቡቕ ፍቓድካን ውሳነኻን ስለ ዝኾነ እዩ። “ኦ እግዚኣብሄር! ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ፥ ከማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ዘኣኻ ድማ ኣምላኽ የለን። ነቶም ህዝብኻ ምእንቲ ክኾኑ ኢልካ ኻብ ባርነት ግብፂ ዘድሓንካዮም ህዝብኻ እስራኤል ዝመስል ኣብ ምድሪ የለን። እቲ ንኣኣቶም ክትብል ዝገበርካዮ ዓበይትን ዘደንቕ ነገራትን ስምካ ኣብ ኵሉ ዓለም ከም ዝፅዋዕ ገበረ። ንህዝብኻ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኻዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ንዝፀንሑ ኣህዛብ ድማ ሰጐጕካዮም። ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኸም ዝኸውን ገበርካ፤ ንስኻ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኹ ኾንካሉ። “ሕዚ ኸዓ ኦ እግዚኣብሄር! ነቲ ብዛዕባይ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ዘርአይን ዝተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ዝፀንዐ ይኹን ኢልካ ኸም ዝተዛረብካዮውን ግበር። ሽዑ ‘ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ’ እናተብሃለ ስምካ ንዘለኣለም ክፀንዕን ክዓብን እዩ። ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ፀንዐት። “ኦ ኣምላኸይ! ነዝ ፀሎት እዙይ ክፅሊ ዝደፈርኩ፥ ንኣይ ቤት ከም እትሰርሐለይ ስለ ዝገለፅካለይ እየ። ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፤ ንባርያኻ ኸዓ እዝ ፅቡቕ ነገር እዙይ ኣተስፈኻዮ። ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ሕዚ ድማ፥ ቤተይ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነብር፥ ክትባርኻ ፈቒድካ ኣለኻ።” ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ሰዓሮም ኣዋረዶምውን፤ ንጌትን ነተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን ድማ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን። ንሞኣባውያንውን ሰዓሮም፤ ሞኣባውያን ከዓ ገባራቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። ዳዊት ድማ ግዝኣቱ ክሳዕ ሩባ ኤፍራጥስ ከስፍሕ ስለ ዝደለየ፥ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ተዋግኦ፤ ኣብ ሓማት ድማ ሰዓሮ። ዳዊት ከዓ ኻብኡ ሽሕ ሰረገላን ሸውዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ማሪኹ ወሰደ። ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ድማ ቋንጃ ኣእጋሮም ቈረፆም፤ ካብኣቶም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ። ኣብ ደማስቆ ዝነብሩ ሶርያውያን ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ኽረድኡ ኢሎም ምስ መፁ ኸዓ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰባት ቀተለ። ዳዊት ድማ ኣብኡ ኣብ ናይ ደማስቆ ሶርያ ሓለውቲ ወታደራት ኣቐመጠ፤ እቶም ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ገባራቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ይህቦ ነበረ። ዳዊት ከዓ ነቲ ኣብ ወታደራት ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋልታታት ወርቂ ወሰዶ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣምፅኦ። ካብተን ከተማታት ሃዳርዔዘር ዝኾና ጢብሓትን ኩንን ከዓ ብዙሕ ነሃስ ወሰደ። ደሓር ሰሎሞን በዝ ነሃስ እዙይ ገይሩ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ጋብላን ኣዕምድን ኣቑሑን ሰርሐ። ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ፥ ዳዊት ንዅሉ ሰራዊት ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ኸም ዝሰዓሮ ሰምዐ። ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ኵልሻዕ ይዋጋእ ስለ ዝነበረ፥ ንጉስ ዳዊት ንሃዳርዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ኸሞግሶን ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን ንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉ። ምስኡ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ዝተሰርሐ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑ ገፀ በረኸት ሰደደሉ። ንጉስ ዳዊት ነዙይን ነቲ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብ ኤዶማውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ኣሞናውያንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን፥ ዝማረኾ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ወፈዮ። ኣብ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ወታደራት ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ዝግብሩ ኾኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ይህቦ ነበረ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብማዕርነትን እናመሓደረ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ኣዛዚ ሰራዊት ነበረ። የሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ። ሳዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሱሳ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ። በናያስ ወዲ ዮዳሄ ድማ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ። ደቂ ዳዊት ከዓ ኣብ መንግስቲ ኣቦኣቶም ፍሉይ መዓርግ ነበሮም። ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ። እቶም ሓሻኽር ዳዊት ድማ ንሓኖን ከፀናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ከዱ። እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ግና ንሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ? እዚኣቶም ነዛ ሃገር ምእንቲ ኽምርምርዋን ክስልይዋን ክሕዝዋን እዮም መፂኦም ዘለዉ” በልዎ። ሽዑ ሓኖን ነቶም ንልኡኻት ዳዊት ወሲዱ ላፀዮም፤ ንኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጥቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም። ዝኾኑ ሰባት ከይዶም ከዓ እቲ ነቶም ሰባት ዝበፅሖም ነገር ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ እቶም ሰባት የመና ሓፊሮም ነበሩ እሞ፥ ዝራኸብዎም ሰባት ሰዲዱ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ” በሎም። ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ረአዩ፥ ካብ ላዕለዋይ መስጴጦምያን ካብ ሶርያ ናይ መዓካን ካብ ሱባን ዕሱባት ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ክቘፅሩ፥ ሓደ ሺሕ መክሊት እቶም ዝተዓሰቡ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ሰራዊት ንጉስ መዓካን መፂኦም ኣብ ጥቓ ሜዳ ሰፈሩ፤ ደቂ ኣሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ወፂኦም ንውግእ ተሰለፉ። ዳዊት ከዓ ሰሚዑ፥ ንኢዮኣብን ንዅሎም ጀጋኑ ሰራዊትን ሰደደ። ደቂ ኣሞንውን ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ረባት እትበሃል ከተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመፁ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ። ኢዮኣብ ከዓ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝተኸበበ ምስ ረአየ፥ ካብ ኵሎም እስራኤል ጀጋኑ ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም። እቲ ዝተረፈ ሰራዊት ከዓ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ሓዉ ገበሮ፤ ንደቂ ኣሞን ክዋግእዎም ድማ ተሰለፉ። ንኣቢሳ ኸዓ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፤ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ፥ ኣነ ኽረድአካ እየ። ፅናዕ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በሎ። ሽዑ ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ንሶርያውያን ክዋግእዎም ንቕድሚት ደፍኡ፤ ሶርያውያን ከዓ ተስዒሮም ካብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ። እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሓዉ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። ሶርያውያን ከዓ ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ልኡኻት ሰዲዶም ካብቶም ኣብ ሰገር ሩባ ዝነበሩ ሶርያውያን ሰራዊት ኣምፅኡ፤ ናይ ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ሓለቓ ሰራዊት ሾፋክ ድማ ይመርሖም ነበረ። እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽቲቱ፥ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ናብኣቶም ቀሪቡ ድማ ኽዋግኦም ተሰለፈ። ዳዊት ነቶም ሶርያውያን ክዋግኦም ምስ ተሰለፈ ኸዓ፥ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ። እቶም ሶርያውያን ድማ ብእስራኤላውያን ተስዒሮም ሃደሙ። ዳዊት ከዓ ኻብ ሶርያውያን ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ቀተለ፤ ንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ። እቶም ኣብ ትሕቲ ሃዳርዔዘር ዝነበሩ ነገስታት ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ ዳዊት ተዓረቑ እሞ ተገዝእዎ፤ ገበሩሉውን። ብድሕሪዙይ ድማ እቶም ሶርያውያን ንደቂ ኣሞን ምሕጋዝ ሓደግዎ። እቲ ንጉሶም ሓደ መክሊት ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ ኣውፂኡ ኸዓ ብመጋዛትን ብመባሮን ብማሕፀታትን ክሰርሑ ኣገደዶም። ኣብ ኵለን ከተማታት ደቂ ኣሞንውን ኸምኡ ገበረ። ዳዊትን ኵሉ ሰራዊቱን ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ድሕሪዙይ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዝር ውግእ ተልዓለ። ሽዑ ሴቦካይ ኩሳታዊ ነቲ ኻብቶም ጕልቡታት ዝኾኑ ደቂ ራፋይም ዝነበረ ንሲፋይ ቀተሎ። መሊሱ ኸዓ ኣብ ጌት ውግእ ኮነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሽዱሽተ፤ ኣብ ኵሉ ኢደ እግሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕቲ ዝነበሮ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብቶም ጕልቡታት ደቂ ራፋይም ዝተወልደ ነበረ። ንሱ ንህዝቢ እስራኤል ምስ ኣባጨወሎም ድማ፥ ዮናታን ወዲ ሺምዓይ ሓው ዳዊት፥ ቀተሎ። እዚኣቶም ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ሓሻኽሩን ዝተቐተሉ፥ ካብቶም ኣብ ጌት ዝተወለዱ ጕልቡታት ደቂ ራፋይም ነበሩ። ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተልዓለ፤ ንዳዊት ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅር ኣለዓዓሎ። ዳዊት ከዓ ንኢዮኣብን ነሕሉቕ ህዝብን “ኪዱ ኻብ ቤርሳቤህ ጀሚርኩም ክሳዕ ዳን ዘሎ ህዝቢ እስራኤል ቍፀርዎ። ብዝሖም ምእንቲ ኽፈልጥ ከዓ ፀብፃብ ኣምፅኡለይ” በሎም። ኢዮኣብ ድማ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ጊዜ የብዝሓዮ! ግና፥ ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኵሎም ሓሻኽርኻ እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ ነዝ ነገር እዙይ ትደልዮ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ንህዝቢ እስራኤል ምኽንያት በደል ትኾኖም?” በሎ። ንጉስ ግና ንኢዮኣብ በርትዖ። ስለዙይ ኢዮኣብ ወፀ፤ ናብ ኵሉ እስራኤል ከይዱ ኸዓ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። ኢዮኣብ ድማ ድምር እቲ ዝተቘፀረ ህዝቢ ንዳዊት ሃቦ። ካብ ኵሉ እስራኤል ከዓ ሓደ ሚልዮንን ሚእቲ ሽሕን ክዋግኡ ዝኽእሉ ሰባት ነበሩ። ካብ ይሁዳ ኸዓ ኣርባዕተ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ክዋግኡ ዝኽእሉ ሰባት ነበሩ። ኢዮኣብ ግና ነቲ ቓል ንጉስ ስለ ዘይተቐበሎ ንሌዊን ንብንያምን ኣይቈፀሮምን። ካብዝ ነገር እዙይ ዝተልዓለውን እግዚኣብሄር ተቘጥዐ፤ ንህዝቢ እስራኤል ከዓ ቐሰፎ። ሽዑ ዳዊት “እዝ ነገር እዙይ ብምግባረይ ንእግዚኣብሄር ብዙሕ በደልኩ፤ ዓብዪ ስንፍና ድማ ገይረ እየሞ፥ ሕዚ በይዛኻ፥ ንበደል ባርያኻ ክተወግዶ እልምነካ ኣለኹ” በለ። እግዚኣብሄር ድማ ናይ ዳዊት ረኣዪ ንዝኾነ ንጋድ “ኪድ እሞ ንዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሰለስተ ነገር ኣቕሪበልካ ኣለኹ፤ ካብኡ ሓደ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ። ጋድ ከዓ ናብ ዳዊት ኣትዩ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እትደልዮ ምረፅ፦ ሰለስተ ዓመት ጥሜት፥ ወይ ሰይፊ ፀላእትኻ እናርከበካ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ፀላእትኻ ምህዳም፥ ወይ እቲ ሰይፊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፌራ ኣብዛ ሃገር ንሰለስተ መዓልቲ ምዃን፥ መልኣኽ እግዚኣብሄርውን ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ጥፍኣት ከምፅእ።’ ነቲ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝምልሰሉ ሕዚ ሕሰብ።” ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕን ዓቢይን እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሐሸኒ” በሎ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ኻብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰባት ሞቱ። ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ መልኣኽ ሰደደ፤ እቲ መልኣኽ ከጥፍኣ እንተሎ ሪኡ ኸዓ በቲ ዝወረደ ሓዚኑ ኣናሕሰየላ፤ ነቲ ዘጥፍእ መልኣኽ “ይኣክል! ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና ኢያቡሳዊ ደው ኢሉ ነበረ። ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቈላሕ ኣበለ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ሰማይን ኣብ መንጎ ምድርን ደው ኢሉ፥ ዝተመዘዘት ሰይፊ ኸዓ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዘርጊሑ ረአየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ወጮ ተኸዲኖም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ። ዳዊት ድማ “ኦ ኣምላኽ! ኣነ እየ እቲ ህዝቢ ኽቝፀር ዝኣዘዝኩ፤ ኣነ እየ ዝበደልኩን ክፉእ ዝገበርኩን፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም ግና እንታይ ገበሩ። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ! መቕፃዕትኻ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ደኣ ትኹን እምበር ኣብ ህዝብኻስ ኣይትኹን” ኢሉ ለመነ። ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጋድ፥ “ደዪቡ ኣብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርበሉ ንዳዊት ንገሮ” ኢሉ ኣዘዞ። ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብጋድ ገይሩ ዝተዛረቦ ደየበ። ኦርና ምስ ኣርባዕተ ደቁ ኾይኑ ስርናይ የኽይድ ነበረ፤ ነቲ መልኣኽ ምስ ረአይዎ ድማ እቶም ደቁ ተሓብኡ። ዳዊት ናብ ኦርና ኽመፅእ እንተሎ ኸዓ፥ ኦርና ኣማዕድዩ ንዳዊት ረአዮ፤ ካብቲ ዓውዲ ወፂኡ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፍአ። ዳዊት ከዓ “እዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ መቕሰፍቲ ደው ምእንቲ ኽብል፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሐሉ፥ ነዝ ዓውዲ እዙይ ብምሉእ ዋጋ ሃበኒ” በሎ። ኦርና ኸዓ ንዳዊት “ጐይታይ ንጉስ! ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር፤ እንሆ እዞም ኣብዑር ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ እዝ ኣቑሑ ዓውዲ ንዕንፀይቲ፥ እዝ ስርናይውን ንመስዋእቲ እኽሊ ክኸውን ኵሉ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርና “ኣይፋሉን፤ ናትካ ዝኾነ ወሲደ ንእግዚኣብሄር ክህብ ኣይደልን፤ ዋጋ ዘይሃብኩሉ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርብ ኣይደልን እየ እሞ፥ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ሽጠለይ” በሎ። ዳዊት ከዓ ንኦርና ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን ሽዱሽተ ሚእቲ ቕርሺ ወርቂ ሃቦ። ሽዑ ዳዊት ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ኣቕረበ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ። እግዚኣብሄርውን መልሲ ሃቦ፤ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ በልዖ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ” በሎ። እቲ መልኣኽ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዞ ገበረ። በታ ጊዜ እቲኣ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብቲ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ መልሲ ኸም ዝሃቦ ምስ ረአየ፥ ኣብኡ መስዋእቲ ሰውአ። እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝሰርሖ መሕደሪ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውእን በቲ ጊዜ እቱይ ኣብቲ ናይ ገባዖን ኰረብታ እዩ ዝነበረ። ዳዊት ግና ሰይፊ መልኣኽ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሐ፥ ንእግዚኣብሄር ክጥይቕ ኢሉ ናብኡ ክኸይድ ኣይከኣለን። ሽዑ ዳዊት “እዙይ ቤት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ህዝቢ እስራኤል ዝስውኡሉ መሰውኢውን እዙይ እዩ” በለ። ዳዊት፥ እቶም ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ጓኖት ክእከቡ ኣዘዘ። ቤት እግዚኣብሄር ንኽስራሕ ከዓ ኣእማን ዝወቕሩ ወቐርቲ ኻብኣቶም መደበ። ንመዓፁ ኣፍ ደገታትን ንመተሓሓዝን ዝኸውን ሽንካር ምእንቲ ኽሰርሕ ብዙሕ ሓፂንን፥ ካብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ኽምዘን ዘይከኣል ነሃስን ኣከበ። ሲዶናውያንን ጢሮሳውያንን ብዙሕ ዝግባ ንዳዊት የምፅኡሉ ስለ ዝነበሩ ኸዓ ቝፅሪ ዘይብሉ ኦም ዝግባ ኣከበ። ዳዊት “ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ለግለግን እዩ። እዛ ንእግዚኣብሄር ክሰርሓ ዘለዎ ቤተ መቕደስ ግና ኣብ ኵለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን የመና ፅብቕትን ክትከውን ይግባእ፤ ስለዙይ ኵሉ ዘድሊ ኸዳልወላ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ነገር ኣዳለወ። ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ፀዊዑ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ኣዘዞ። ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ሰሎሞን ወደይ! ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ብልበይ ሓሲበ ነይረ። ግና እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ ‘ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፥ ብዙሕ ውግእ ኸዓ ተዋጊእኻ ኢኻ፤ እምበኣርከስ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ፥ ንስመይ ቤተ መቕደስ ኣይትሰርሐለይን ኢኻ። እንሆ፥ ንስኻ ወዲ ኽትወልድ ኢኻ፤ ንሱ ኸዓ ናይ ህድኣት ሰብ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ፀላእቱ ድማ ሰላም ስለ ዝህቦ፥ ስሙ ሰሎሞን ክበሃል እዩ፤ ብዘመኑ ድማ ንእስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ። ንሱ ንስመይ ቤተ መቕደስ ክሰርሐለይ እዩ። ንሱ ውሉድ ክኾነኒ እዩ፤ ኣነ ድማ ኣቦኡ ክኾኖ እየ። ዙፋን መንግስቱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።’ “ሕዚ ኸዓ፥ ኣታ ወደይ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ ዝተዛረቦ ድማ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሰርሕ ይሓግዝካ። ንህዝቢ እስራኤል ከም ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትመርሖም፥ እግዚኣብሄር ኣእምሮን ምስትውዓልን ይሃብካ። ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻዮ፥ ክቐንዐካ እዩ። ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበር። “እንሆ ኣነ ኸዓ፥ ብዓቕመይ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ወርቅን ልዕሊ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን ኣዳልየ ኣለኹ። ነሃስን ሓፂንን ከዓ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ኽምዘን ዘይከኣል ኣዳልየ ኣለኹ። ኣእዋምን ኣእማንንውን ኣዳልየ ኣለኹ። ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ወስኸሉ። ብዙሓት ክሰርሑ ዝኽእሉ ኸዓ ምሳኻ ኣለዉ። ኵሉ ዓይነት ስራሕ ዝፈልጡ፥ ቀረፅትን ወቐርትን ፀረብትንውን ኣለዉኻ፤ ብወርቂ፥ ብብሩር፥ ብነሃስ፥ ብሓፂን ክሰርሑ ዝኽእሉ ኸዓ ቝፅሪ የብሎምን። እምበኣር ተስእ እሞ ስራሕ ጀምር፤ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን።” ዳዊት ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤል ንወዱ ሰሎሞን ክሕግዝዎ ኣዘዞም። ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ስለ ዝኾነ ብዅሉ ወገን ሰላም ሃበኩም፤ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸዓ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሃበኒ፤ እዛ ሃገር ከዓ ንእግዚኣብሄርን ንኣኻትኩምን ተገዝአት። ሕዚ ድማ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄርን እቲ ቕዱስ ኣቑሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ክኣቱስ፥ ተስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ።” ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤልን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ኣከቦም። ዕድመኣቶም ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝኾኑ ሌዋውያን ከዓ ተቘፀሩ፤ ብዝሖም ድማ ሰላሳን ሸሞንተን ሽሕ ሰብኡት ነበረ። ዳዊት ከዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ከመሓድሩ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣሕሉቕን ፈራዶን ክኾኑ መረፆም። ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ በርታት ነበሩ፤ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ዳዊት ዘስርሖ መሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ። ዳዊት ድማ ንደቂ ሌዊ ኸከም ማይ ቤቶም፦ ንጌድሶን፥ ንቀኣትን፥ ንሜራሪን ኣብ ሰለስተ መቐሎም። ጌድሶን ክልተ ደቂ ነበርዎ፦ ለኣዳን፥ ሰሜኢ እዮም። ላዕዳን ሰለስተ ደቂ ነበርዎ፦ ይሒኤል፥ ዜቶም፥ ኢዮኤል እዮም። ሰሜኢ ሰለስተ ደቂ ነበርዎ፦ ሸሎሞት፥ ሓዝኤል፥ ሓራን። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ለኣዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም። ሰሜኢ ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎ፦ ኢኢት፥ ዚዛ፥ የዑስ፥ በሪዓ እዮም። ኢኢት ቀዳማይ ነበረ፤ ዚዛ ድማ ኻልኣይ ነበረ። የዑስን በሪዓን ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፥ ስለዙይ ከም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ኾይኖም ተቘፀሩ። ቀኣት ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎ፦ እንበረም፥ ዪፅሃር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል። ደቂ እንበረም ኣሮንን ሙሴን ነበሩ፤ ኣሮንውን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝተቐደሰ ክኽውን ተፈለየ። ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ክዓጥኑን ከገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ክባርኹን ምሩፃት ነበሩ። ደቂ ሙሴ፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ምስ ነገድ ሌዊ ተቘፀሩ። ሙሴ ንጌርሳምን ንኣልዓዛርን ወለደ፤ ዋና ደቂ ጌርሳም ሱባኤል ነበረ። ዋና ደቂ ኣልዓዛር ረዓብያ ነበረ፤ ኣልዓዛር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን፤ ደቂ ረዓብያ ግና እምብዛ ብዙሓት ነበሩ። ይስዓር ንሰሎሚት ወለደ፤ ንሱ ዋና ነበረ። ደቂ ኬብሮን፦ ዋና ይሪያ፥ ካልኣይ ኣማርያ፥ ሳልሳይ የሕዚኤል፥ ራብዓይ ይቅምዓም። ደቂ ዑዝኤል፦ ዋና ሚካ፥ ካልኣይ ይሽያ። ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊን፥ ሙሲን ነበሩ፤ ደቂ ሞሖሊ፦ ኣልኣዛርን፥ ቂስን ነበሩ። ኣልኣዛር ኣወዳት እንተይሓደገ ሞተ፤ ኣዋልድ ግና ነበራኦ፤ ደቂ ሓው ኣቦኣተን ቂስ ከዓ ኣእተዉወን። ደቂ ሙሲ፦ ሞሖሊ፥ ዔደር፥ የሬሞት፥ ሰለስተ ነበሩ። እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ዕድሜኣቶም ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰርሑ ነበሩ። ኵሎም በብስሞም ኣብ መዝገብ ዝተፅሓፉ ደቂ ሌዊ ነበሩ። ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ዕረፍቲ ሂብዎ እዩ። ካብ ሕዚ ንዘለኣለም ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ክነብር እዩ። ስለዙይ ሌዋውያን ንድንኳንን እቲ ንእኡ ዘድሊ ኣቑሑን ክፆሩ ኣየድልዮምን እዩ” ኢሉ ነበረ። ከምቲ ዳዊት ኣብ መወዳእታ ዝኣዘዞ፥ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ደቂ ሌዊ ተቘፀሩ። ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ዓፀድን፥ ኣብ ክፍልታትን፥ ቅዱሳት ኣቑሑ ብምንፃህን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብምስራሕን፥ ደቂ ኣሮን ንዝኾኑ ኻህናት ክሕግዝዎም ምሩፃት ነበሩ። ነቲ ሕብስቲ ቝርባንን ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ልሑም ሕሩጭን ንዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቝሎ ንዝስንከትን ንዝልወስን፥ ንዅሉ ዝስፈርውን የገልግሉ ነበሩ። ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን፥ ምሸት ምሸት ከዓ ኸምኡ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን፥ ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተሰርዐ፥ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቝፅሪ ዝተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኵሉ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ተመዲቦም ነበሩ። መደብ ኣገልግሎት ደቂ ኣሮን እዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ነበሩ። ናዳብን ኣብዩድን ግና ቕድሚ ኣቦኣቶም ሞቱ፤ ውሉድ ከዓ ኣይነበርዎምን፤ ስለዙይ ኣልኣዛርን ኢታምርን ካህናት ኮኑ። ዳዊት ድማ በቲ ኻብ ደቂ ኣልኣዛር ዝኾነ ሳዶቅን በቲ ኻብ ደቂ ኢታምር ዝኾነ ኣቢሜሌክን ተሓጊዙ በብእቲ ዝተመደብዎ ምእንቲ ኸገልግሉ መደቦም። ኣብ ደቂ ኣልኣዛር ከዓ ኻብ ደቂ ኢታምር ዝበዝሑ ዋናታት ተረኽቡ፤ ከምዙይ ኢሎም ከዓ ተሰርዑ፦ ካብ ደቂ ኣልኣዛር ዓሰርተ ሽዱሽተ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ኮኑ፤ ካብ ደቂ ኢታምር ከዓ ኸከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሸሞንተ ዋናታት ኮኑ። ካብ ደቂ ኣልኣዛር ኮነ ኻብ ደቂ ኢታምር መመሓደርቲ ቤተ መቕደስን ኣገልገልቲ እግዚኣብሄርን ነበሩሞ፥ እዚኣቶምን እቲኣቶምን ብዕፃ ተመደቡ። እቲ ፀሓፊ ሸማያ ወዲ ናትናኤል፥ ካብ ነገድ ሌዊ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹመኛታቱን ካህን ሳዶቅን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ኣብ ቅድሚ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን ፀሓፎም፤ ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ንኣልኣዛር፥ ሓደ ኸዓ ንኢታማር ፀሓፈ። ካልኣይ ንዮዳኤ፥ ራብዓይ ንስዖሪም፥ ሻድሻይ ንሚያሚን፥ ሻምናይ ንኣቢያ ዓስራይ ንሴኬንያ፥ መበል ዓሰርተ ኽልተ ንያቂም፥ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ንየሼብኣብ፥ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንኢሜር፥ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ንሃፊፄፅ፥ መበል ዕስራ ንኤዜቄል፥ መበል ዕስራን ክልተን ንጋሙል፥ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንመዓዝያ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ ኣቦኣቶም ኣሮን ዝሃቦም ስርዓት፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዮም ከከም ብፅሒቶም ከገልግሉ ዝተውሃቦም ሓላፍነት እዙይ እዩ። ካብ ደቂ ሱባኤል፥ ዮሕድያ፤ ካብ ደቂ ዓረብያ፥ ይሺያ እቲ ዋና፤ ካብ ደቂ ሰሎሚት፥ ያሓት፤ ደቂ ኬብሮን፦ እቲ ዋና ይሪያ፥ ካልኣይ ኣማርያ፥ ሳልሳይ የሕዚኤል፥ ራብዓይ ይቀምዓም፤ ወዲ ዑዝኤል፦ ሚካ፥ ካብ ደቂ ሚካ ሻሚር፤ ሓው ሚካ፦ ይሺያ፥ ካብ ደቂ ይሺያ ዘካርያስ፤ ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊን ሙሲን እዮም፥ ወዲ ያዚያ በኖ፤ ደቂ ሜራሪ፦ ካብ ያዚያ፦ በኖ፥ ሾሃም፥ ዘኩር፥ ዔብሪ፤ ካብ ሞሖሊ፦ ኣልኣዛር፤ ንሱ ደቂ ኣይነበርዎን፤ ካብ ቂስ፦ ይረሕምኤል፤ እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ሌዋውያን እዮም። እዚኣቶም ድማ ኸምቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ሳዶቅን ኣቢሜሌክን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ኣውራታት ማይ ቤት ኣቦታት ምስቶም ኣናእሽቱ ኣሕዋቶም ማዕረ ዕፃ ተዋደቑ። ዳዊት ድማ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮይኑ፥ ንደቂ ኣሳፍን ንደቂ ኤማንን ንደቂ ኤዶታምን ነገልግሎት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብፀናፅልን ትንቢት ክናገሩ ፈለዮም። ቍፅሪ እቶም ከከም ኣገልግሎቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ከዓ እዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሳፍ፦ ዘኩር፥ ዮሴፍ፥ ነታንያ፥ ኣሳርኤላ፥ እዚኣቶም ደቂ ኣሳፍ፥ ብትእዛዝ ንጉስ ዝንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዝመርሖም ዝነበሩ እዮም። ካብ ኤዶታም ደቂ ኤዶታም፦ ጎዶልያስ፥ ፅሪ፥ የሻያ፥ ሰሜኢ፥ ሓሸብያ፥ መቲትያ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ነበሩ። እዚኣቶም በቲ ብበገና ንእግዚኣብሄር ብምምስጋንን ብምውዳስን ዝንበ ዝነበረ ኣቦኣቶም ዝምርሑ ዝነበሩ እዮም። ካብ ኤማን፥ ደቂ ኤማን፦ ቡቅያ፥ መታንያ፥ ዓዛርዝኤል፥ ሱባኤል፥ ኢያሪሙት፥ ሓናንያ፥ ሓናኒ፥ ኤሊያታ፥ ጊዶልቲ፥ ሮማንቲዔዘር፥ ዮሽብቃሻ፥ መሎቲ፥ ሆቲር፥ መሓዝዮት። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ እቲ ናይ ንጉስ ረኣዪ ዝነበረ ኤማን እዮም፤ ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ንኤማን ልዕል ከብሎ ኢሉ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ሃቦ። እዚኣቶም ኵሎም ከምቲ ንጉስ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብዅሉ ፀናፅልን መሰንቆን በገናን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ዝነበሩ እዮም። ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ኣቦታቶም ከዓ ይመርሕዎም ነበሩ። ቍፅሮም ድማ፥ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር ዝተምሃሩ ዅሎም ክኢላታት ኣሕዋቶም፥ ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሸሞንተን ነበሩ። ነናቶም ኣገልግሎት ምእንቲ ኽፈልጡ ድማ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ መምህር ኮነ ተምሃሪ፥ ማዕረ ገይሮም ዕፃ ኣውደቑ። ቀዳመይቲ ዕፃ ኻብ ዓሌት ኣሳፍ ንዝኾነ ንዮሴፍ በፅሐት፤ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ካልአይቲ ንጎልዶያስ በፅሐት፤ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ሳልሰይቲ ንዘኩር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ራብዐይቲ ንይፅሪ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ሓምሸይቲ ንነታንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ሻድሸይቲ ንቡቅያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ሻውዐይቲ ንይሽርኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ሻምነይቲ ንየሻያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ታሽዐይቲ ንመታንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ዓስረይቲ ንሰሜዒ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዓሰርተ ሓደ ንዓዛርኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዓሰርተ ኽልተ ንሓሽብያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዓሰርተ ሰለስተ ንሱባኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ንመቲትያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ንኢያሪሙት በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንሓናንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ንዮሽብቃሻ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ንሓናኒ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ንመሎቲ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዕስራ ንኤልያታ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዕስራን ክልተን ንጊዶልቲ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዕስራን ሰለስተን ንመሓዚዮት በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማንቲዔዘር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰርዑ፦ ካብ ቆሬያውያን፦ ሜሱላም ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ። ሜሱላም ደቂ ነበርዎ፤ በዅሩ ዘካርያስ፥ ካልኣይ ይዲኤል፥ ሳልሳይ ዮዛባት፥ ራብዓይ የትኒኤል፥ ሓምሻይ ዔላም፥ ሻድሻይ ይሆሓናን፥ ሻውዓይ ኤሊሆዔናይ። ንወዱ ሸማያ ኸዓ ኣወዳት ተወለዱሉ፤ ንሳቶም ሓያላትን ብርቱዓትን ሰባት ነበሩ እሞ፥ ኣብ ቤት ኣቦኣቶም መራሕቲ ነበሩ። ደቂ ሸማያ፦ ዖትኒ፥ ራፋኤል፥ ዖቤድ፥ ኤልዛባድ፥ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሓያላት ኤሊሁን ሰማክያን ዝበሃሉ ኣሕዋቱ ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ካብ ደቂ ዖቤድኤዶም ነበሩ። ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን ንኣገልግሎት ዝበቕዑ ንፉዓት ሰባት ነበሩ፤ ኵሎም ደቂ ዖቤድኤዶም ድማ ስሳን ክልተን ነበሩ። ሜሱላምውን ዓሰርተ ሸሞንተ ንፉዓት ሰባት ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ። ካብ ደቂ ሜራሪ ንዝኾነ ንሖሳ ደቂ ነበርዎ፤ ሽምሪ ሓለቓ ነበረ፤ ንሱ በዅሪ እኳ እንተ ዘይኮነ፥ ኣቦኡ እንተሎ ዋና ገበሮ። ካልኣይ ኬልቅያስ፥ ሳልሳይ ጥበልያ፥ ራብዓይ ዘካርያስ ነበረ። ናይ ሖሳ ደቅን ኣሕዋትን ኵሎም ዓሰርተ ሰለስተ ነበሩ። እቶም ሓለውቲ በርታት ቤተ መቕደስ፥ በብማይ ቤቶም ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ተመደቡ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከገልግሉ ኸዓ ኸምቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓላፍነት ተቐበሉ። ዓቢይን ንእሽተይን ማይ ቤት እንተይበሉ ኣየናይ ኣፍ ደገ ኸም ዝሕልዉ ምእንቲ ኽፈልጡ ዕፃ ኣውደቑ። ብወገን ምብራቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ንሰሌምያ በፅሖ። ነቲ ለባም መኻሪ ዝነበረ ወዱ ዘካርያስ ድማ እቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ በፅሖ። ንዖቤድኤዶም ከዓ እቲ ብወገን ደቡብ ዘሎ ኣፍ ደገ በፅሖ። ነቶም ደቁ ድማ ምሕላው ቤተ መዛግብቲ በፅሖም። እታ ናብ ጥቓ ደገ ሸሌኬት እተደይብ መንገዲ፥ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ኣፍ ደገ ኸዓ ንሰፊንን ንሖሳን በፅሖም። ንውሱን እዋን ከዓ በብተራ ይሕልውዎ ነበሩ። ብወገን ምብራቕ መዓልቲ መዓልቲ ሽዱሽተ ሌዋውያን ይሕልዉ ነበሩ። ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ፥ ብወገን ደቡብ ድማ ኣርባዕተ ይሕልዉ ነበሩ። ኣብ ክልቲኡ ቤተ መዛግብቲ ከዓ ኸክልተ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ። ኣብቲ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ኣደባባይ፥ ኣብቲ ፈርባር መንገዲ ኣርባዕተ፥ ኣብቲ ጥቓ ፈርባር ድማ ኽልተ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ። እቶም ካብ ደቂ ቆሬን ካብ ደቂ ሜራሪን ዝነበሩ ስሩዓት ሓለውቲ በርታት እዚኣቶም እዮም። ካብ ሌዋውያን ድማ ኣኪያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ነገርን ተሸይሙ ነበረ። ደቂ ለኣዳን ንለኣዳን፥ ዝኾኑ ደቂ ጌድሶናውያን፥ ንጌድሶናዊ ንለኣዳን ዝኾኑ ማይ ቤት ኣቦታት ይሒኤል፥ ደቂ ይሒኤሊ ከዓ ዜቶምን ሓዉ ኢዩኤልን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ሓለፍቲ ነበሩ። ካብ እንበረማውያን፥ ይስዓራውያን፥ ኬብሮናውያን፥ ካብ ዑዝኤላውያን ሓለፍቲ ነበሩ። ሱባኤል፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ሓላፊ ነበረ። ካብ ሓዉ ኣልዓዛር ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ኣልዓዛር ንረዓብያ ወለደ፤ ረዓብያ ንየሻያ ወለደ፤ የሻያ ንኢዮራም ወለደ፤ ኢዮራም ንዝክሪ ወለደ፤ ዝክሪ ንሰሎሚት ወለደ። ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ንጉስ ዳዊትን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ንእግዚኣብሄር ንዝወፈይዎ ነገር ሓለፍቲ ነበሩ። ካብቲ ኣብ ውግእ ዝማረኽዎውን ንመተዓራረዪ ቤት እግዚኣብሄር ክኸውን ወፍዮምዎ ነበሩ። ኵሉ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ሳኦል ወዲ ቂስን ኣበኔር ወዲ ኔርን ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ነበረ። እቶም ካብ ዓሌት ይስዓር ዝኾኑ ከናንያን ደቁን ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሹመኛታትን ፈረድትን ነበሩ። ደቂ ኬብሮን፥ ሓሸብያን እቶም ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኣሕዋቱን ብርቱዓት ሰብኡት ስለ ዝነበሩ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ንእስራኤል ከመሓድሩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ እግዚኣብሄርን ኣብ ኣገልግሎት ንጉስን ተመደቡ። ካብቶም ኬብሮናውያን፥ ይሪያ ዋና ማይ ቤት ኬብሮናውያን ነበረ። ዳዊት ምስ ነገሰ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመቱ ብዛዕባኣቶም መርመሩ እሞ ኣብ መንጎኣቶም ኣብ ኢያዜር ኣብ ምድሪ ገለዓድ ሓያላት ጀጋኑ ተረኽቡ። ዳዊት ድማ ኻብ ማይ ቤት ይሪያ ኽልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ብርቱዓት ሰብኡት ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ሓረየ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ሰገር ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ነገድ ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፥ ኣብ ኵሉ ናይ እግዚኣብሄር ነገርን ናይ ንጉስ ነገርን ሓላፊነት ሃቦም። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰሪዖም ነበሩ፦ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ኣሽሓትን ኣሕሉቕ ሚእትታትን፥ እቶም ብዅሉ ናይ ክፍልታት ሰራዊት ንንጉስ ዘገልግልዎ መኳንንቶምን ኮይኖም ተሰርዑ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ብዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ዝቖመ ነበረ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ምስ ካልእ ክፍሊ ሰራዊት ኣብ ወወርሒ እናተለዋወጠ ዅልሻዕ የገልግል ነበረ። ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ያሾብዓም ወዲ ዘብድኤል ሓለቓ ናይታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ሰራዊት ነበረ። ኣብ ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። ንሱ ኻብ ደቂ ፋሬስ ነበረ፤ ሓለቓ ናይቶም ብቐዳመይቲ ወርሒ ዘገልግሉ ኣሕሉቕ ሰራዊት ነበረ። ብኻልአይቲ ወርሒ፥ እቲ ኣሆሃዊ ዱዲ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ሚቅሎት ከዓ ሹም ነበረ። ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ሳልሳይ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ። በናያስ ሓደ ኻብቶም ሰላሳ ጀጋኑ ነበረ፤ ሓለቓኣቶምውን ነበረ። ኣብቲ ኽፍሉ ድማ ወዱ ዓሚዛባድ ሹም ነበረ። ብራብዐይቲ ወርሒ ኣሳሄል ሓው ኢዮኣብ ሓለቓ ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ብድሕሪኡ ኸዓ ወዱ ዝባድያ ሹም ነበረ። ብሓምሸይቲ ወርሒ፥ ሸምሁት እቲ ይዝራዊ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኣብ ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። ብሻድሸይቲ ወርሒ፥ እቲ ሻድሻይ ሓለቓ ዒራስ ወዲ ዒስካ ቴቁሓዊ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ብሻውዐይቲ ወርሒ፥ ሴሌስ እቲ ፍሎናዊ ካብ ደቂ ኤፍሬም ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ። ብሻምነይቲ ወርሒ፥ ሲቦካይ ኩሳታዊ ካብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኣቢዔዝር እቲ ዓናቶናዊ ኻብ ብንያማውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ። ብዓስረይቲ ወርሒ ኖኤሬ እቲ ነጦፋዊ ኻብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ በናያስ በዓል ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ሔልዳይ እቲ ነጦፋዊ ኻብ ደቂ ጎቶንያል ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ሰፋጥያስ ወዲ መዓካ፥ ሓለቓ ስምዖናውያን ነበረ። ሳዶቅ ሓለቓ ደቂ ኣሮን ነበረ። ዖምሪ ወዲ ሚካኤል፥ ሓለቓ ነገድ ይሳኮር ነበረ። ኢያሪሙት ወዲ ዓዝሪኤል፥ ሓለቓ ነገድ ንፍታሌም ነበረ። ኢዮኤል ወዲ ፈዳያ፥ ሓለቓ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ነበረ። የዕሲኤል ወዲ ኣብኔር ሓለቓ ነገድ ብንያም ነበረ። እዚኣቶም ኣሕሉቕ ነገዳት እስራኤል ነበሩ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኽቘፅር ጀሚሩ ነበረ፤ ግና ኣይወድኦን። ብሰንኪ እዙይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል መዓት መፀ። እቲ ፀብፃብ ግና ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ንጉስ ዳዊት ኣይተፅሓፈን። ከተማታትን ዓድታትን ኣብ ዕርድታትን ዝነበረ ጥሪት ሓለቓ ነበረ። ሓለቓ ነበረ። ዘቢድ በዓል ሸፋም ድማ ናይቲ ኣብ ማዕኸናት ወይኒ ዝኣቱ እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ሓለቓ ነበረ። ኢዮኣስ ድማ ናይ ማዕኸን ዘይቲ ሓለቓ ነበረ። ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ናይተን ኣብ ለሴታት ዝነበራ ኸፍቲ ሓለቓ ነበረ። ዮሕድያ በዓል ሜሮኖት ሓለቓ ኣእዱግ ነበረ። ኵሎም እዚኣቶም ኣሕሉቕ ሃብቲ ንጉስ ዳዊት ነበሩ። ምስ ደቂ ንጉስ ነበረ። ኣኪጦፌል ድማ መማኸሪ ንጉስ ነበረ። ኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ዓርኪ ንጉስ ነበረ። ኢዮኣብ ከዓ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ። ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ነቶም ዋናታት ነገዳትን ኣሕሉቕ እቶም ንንጉስ ዘገልግሉ ሰራዊትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ነቶም ናይ ንጉስን ደቁን ገንዘብን ከፍትን ሃብትን ዘመሓድሩን፥ ነቶም ሹመኛታትን ነቶም ጀጋኑ ሰባትን ንዅሎም ሓያላት ተዋጋእትን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም። ሽዑ ንጉስ ዳዊት ብእግሩ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፥ ስምዑኒ፤ ኣነ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እግሩ ዘዕርፈላ ንታቦት ኪዳን ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ሓሲበ ነይረ። ዘድሊ ምድላውውን ገይረ ነይረ። ኣምላኽ ግና ‘ንስኻ ናይ ኲናት ሰብ ኢኻ፤ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ’ በለኒ። “ግና ናይ እስራኤል ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ካብ ኵሉ ቤት ኣቦይ ሓረየኒ፤ ንይሁዳ መራሒ ክኸውን ሓርይዎ እዩሞ፥ ካብ ቤት ይሁዳውን ንቤት ኣቦይ ሓረያ፤ ካብ መንጎ ኣሕዋተይ ከዓ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ክነግስ መረፀኒ። እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ። ካብ ኵሎም ደቀይ ድማ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዙፋን እቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤል ክቕመጥ ሓረዮ። ከምዙይ ከዓ በለኒ፦ ‘ንወድኻ ሰሎሞን ውሉድ ክኾነኒ ሓርየዮ እየ፤ ኣነውን ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ቤተይን ኣፀዳተይን ክሰርሕ እዩ። ንሱ ኸምቲ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ብትእዛዛተይን ሕግጋተይን እንተ ነበረ፥ ነታ መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዓ እየ።’ “ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ኣሰምዐልኩም ኣለኹ። ኣብዛ ዝወረስኩምዋ ፅብቕቲ ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ብድሕሬኹምውን ንደቅኹም ንዘለኣለም ክተውርስዎም፥ ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድለይዎን ሓልውዎውን። “ኣታ ወደይ ሰሎሞን፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ልቢ ይምርምር፥ ንዅሉ ሓሳባት ድማ ይፈልጥ እዩሞ፥ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፤ ብፍፁም ልብኻን ብምሉእ ድሌትካን ከዓ ኣገልግሎ። እንተ ደሊኻዮስ፥ ክትረኽቦ ኢኻ፤ እንተ ሓደግካዮ ግና ንዘለኣለም ክሓድገካ እዩ። ሕዚ ኸዓ ኣስተውዕል፦ ንመቕደስ እትኸውን ቤት ክትሰርሕ ሓርዩካ እዩ እሞ፥ ጠንኪርካ ስራሕ።” ዳዊት ድማ ንድፊ ናይቲ ገበላ ቤተ መቕደስን ህንፃታቱን መዛግብቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ ቦታኡን ንወዱ ሰሎሞን ሃቦ። ከምቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ድማ ንድፊ ኣፀዳት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ኣቑሑ ዝቕመጠሉ ኣብ ዙርያ ዘለዋ ኽፍልታትውን ሃቦ። ከምኡውን ኣመዳድባ ኻህናትን ሌዋውያንን፥ ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን መምርሒ ሃቦ። ንዅሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዝውዕል ብወርቅን ብብሩርን ዝስራሕ ኣቑሑ፤ ክንደይ ዝሚዛኑ ወርቅን ብሩርን ከም ዝውድእ ድማ መደበሉ። ሚዛን ናይቲ ንመስርሒ ቐዋሚ ቐንዲልን መቕረዝን ዝኸውን ወርቅን፥ ሚዛን ናይቲ ንመስርሒ ቐዋሚ ቐንዲልን መቕረዝን ዝኸውን ብሩርን ክንደይ ከም ዝኸውን መደበሉ። እቲ ሕብስቲ ቝርባን ዝንበረሉ ብወርቂ ዝስራሕ ሰደቓን ብብሩር ዝስራሕ ሰደቓን ክንደይ ወርቅን ብሩርን ከም ዝውድእ ከዓ መደበሉ። ንሻኳታትን ጭሐሎታትን ኵስኵስትታትን፥ ዝኸውን ፅሩይ ወርቂ፥ ንናይ ወርቂ ፅዋዓት ነንፅዋዕ ብሚዛን፥ ንናይ ብሩር ፅዋዓትን ነንፅዋዕ ብሚዛን ሃቦ። ነቲ መሰውኢ ዕጣንን ነቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣኽናፎም ዘርጊሖም ዘለዉ ኪሩቤልን ነቲ ንኣኣቶም ዝፀውር ምስሊ ወርቂ ሰረገላ መስርሒ ዝኸውን ዝተዀልዐ ወርቂ መዚኑ ሃቦ። ዳዊት ከዓ “ከምቲ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸውዕሎ ናይዚ ዅሉ ነገር እዙይ ንድፊ ተፅሒፉ መፀኒ” በለ። ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ኣምላኸይ፥ ምሳኻ እዩሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ስራሕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበርውን። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኵሉ ስራሕ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ንሱ ኣይጠልመካን፤ ኣይሓድገካን ከዓ እዩ። እቶም ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝተመደቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እኒሀዉ። እቶም ብድሌት ዝሰርሑን ጥበብ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣብ ኵሉ ስራሕ ክሕግዙኻ ምሳኻ እኒሀዉ። እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ ንዅሉ ትእዛዝካ ኽፍፅሙ ድልዋት እዮም።” ንጉስ ዳዊት ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎ፦ “እዝ ኣምላኽ ንበይኑ ሓርይዎ ዘሎ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ተመክሮ ዘይብሉን እዩ። እዝ ኣዳራሽ እዙይ ግና ንእግዚኣብሄር እምበር ንሰብ ኣይኮነን እሞ፥ እቲ ስራሕ ዓብዪ እዩ። ኣነ ኸዓ ብዘለኒ ሓይሊ ንመስርሒ ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ብወርቂ ንዝስራሕ ወርቂ፥ ብብሩር ንዝስራሕ ብሩር፥ ብነሃስ ንዝስራሕ ነሃስ፥ ብሓፂን ንዝስራሕ ሓፂን፥ ብዕንፀይቲ ንዝስራሕ ዕንፀይቲ፥ ከምኡውን ኣዕናቝን እምንን፥ ዝዛነቕ እምንን ፀሊም ዘንፀባርቕ እምንን፥ ዝተቐርፀ እምንን፥ ኵሉ ዓይነት ክቡር እምንን፥ እምነ በረድን፥ ብዙሕ ቀሪበ ኣለኹ። ኣብ ልዕሊ እቲ ነታ ቕድስቲ ቤት ኢለ ዝቐረብክዎ ዅሉ ድማ፥ ነታ ቤት እግዚኣብሔረይ ፈትየያ ኣለኹ እሞ፥ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘለኒ፥ ወሲኸ ንቤተ እግዚኣብሔረይ እህብ ኣለኹ፦ ንመለበጢ መንደቕ ኣባይቲ ዝኸውን ሚእቲ ሺሕ ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ፥ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ ወርቂ ንዘድሊ ወርቂ፥ ብሩር ንዘድሊ ድማ ብሩር፥ ብኢድ ብልሓተኛ ንዝግበር ኵሉ ስራሕ እንተይተረፈ እህብ ኣለኹ። ሎሚ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ብልግሲ ዝህብ መን እዩ?” ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ነገዳት እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን እቶም ኣሕሉቕ እቲ ስራሕ ንጉስን ብድሌት ሃቡ። ንስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን፥ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኪሎ ግራም ነሃስን፥ ሰለስተ ሚልዮንን ኣርባዕተ ሚእትን ሽሕ ኪሎ ግራም ሓፂንን ሃቡ። እቶም ክቡር ኣእማን ዝነበሮም ከዓ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተውዎ፤ ንየሒኤል እቲ ጌርሾናዊ ድማ ሓላፍነት ሃብዎ። እቶም መራሕቶም ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ስለ ዝሃብዎ እቶም ህዝቢ ተሓጐሱ፤ ንጉስ ዳዊትውን የመና ተሓጐሰ። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ምስጉን ኩን። ኣብ ርእሲ ዅሉ ልዕል ልዕል በልካ። ንዅሉ ሰብ ዕቤትን ፅንዓትን እትህብ ንስኻ ኢኻ፤ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ ኣለና። “ከምዙይ ብድሌት ክነቕርብ ዝኸኣልናስ፥ ኣነ መን እየ? እዞም ህዝበይከ መን እዮም? ኵሉ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ እዩ፤ ነቲ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ ኸዓ ኢና ዝሃብናካ። ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና፥ መፃእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት ይሓልፋ፤ ንዅልሻዕ ኣብ ምድሪ ዝነብርውን የለን። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና! እዝ ዅሉ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሐሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘለና ሃብቲ፥ ካባኻ ዝመፀ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ናትካ እዩ። ኦ ኣምላኸይ! ንስኻ ልቢ ኸም እትምርምር፥ ብቕንዕናውን ከም እትሕጐስ እፈልጥ ኣለኹ። ኣነ ኸዓ እዝ ዅሉ ብቕንዕና ልበይ ብድሌት ኣቕሪበልካ ኣለኹ። ሕዚ ድማ እዝ ኣብዙይ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኸቕርበልካ እንተሎ ብሓጐስ ሪአ ኣለኹ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ኣብ ህዝብኻ ዘሎ ፅቡቕ ድልየት ንዘለኣለም ሓሉ፤ ልባቶምውን ናባኻ ኣቕንዕ። ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ስርዓታትካን ሕግጋትካን ክሕሉ፥ ንዅሉ ድማ ኽፍፅሞ፥ ነዝ ኣነ መስርሒኡ ኣዳልየሉ ዘለኹ ቤተ መቕደስ ክሰርሕውን ፍፁም ልቢ ሃቦ።” ድሕሪዙይ ዳዊት ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ እስራኤል “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣመስግንዎ” በሎም። ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣመስገንዎ። ድንን ድማ በሉ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ሰገዱ። ንፅባሒቱ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኡ። ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቕረቡ፦ ሽሕ ብዕራይ፥ ሽሕ ማጕላ፥ ሽሕ ጡበት፥ መምስ ናይ መስተ መስዋእትታቶም፥ ብዙሕ መስዋእቲ ሕሩድ ድማ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል ሰውኡ። ንሰሎሞን ወዲ ዳዊትውን ካልኣይ ጊዜ ኣንገስዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ሰሎሞን ንጉስ ክኸውን ሳዶቅውን ካህን ክኸውን ቀብእዎም። ሽዑ ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኮይኑ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ዙፋን ተቐመጠ፤ ሰመረሉውን፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ይእዘዝዎ ነበሩ። ኵሎም ኣሕሉቕን ጀጋኑን፥ ደቂ ንጉስ ዳዊትውን እንተይተረፉ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ከም ዝግዝእዎ ኣረጋገፁሉ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ልዕል ኣበሎን ኣግነኖን። ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም ግርማ መንግስቲ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ሃቦ። ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነጊሱ ነበረ። ኣርብዓ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ሸውዓተ ዓመት፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ገዝአ። ዕድመን ሃብትን ክብረትን ፀጊቡ ኸዓ ብፅቡቕ ሽምግልና ሞተ። ክንድኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ። እቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ኵሉ ነገራት ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነቢይ ናታንን፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ጋድን ተፅሒፉ ኣሎ። ኣብዝ ታሪኽ እዙይ፥ ዳዊት ከመይ ገይሩ ኸም ዝገዝአን፥ ሓያል ከም ዝነበረን፥ እቲ ንእኡን ንእስራኤልን ንዅለን እተን ኣብ ዙርያኡ ዝነበራ መንግስታት ዝበፅሖም ኵነታትን ተፅሒፉ ኣሎ። ሰሎሞን ወዲ ዳዊት መንግስቱ ኣፅኒዑ ሓዘ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረውን የመና ኣዕበዮ። ሰሎሞንውን ንዅሉ እስራኤል፥ ንኣሕሉቕ ሽሕን ንኣሕሉቕ ሚእትን ንፈረድትን፥ ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ንዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን፥ ተዛረቦም። እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ዝሰርሖ፥ ናይ ኣምላኽ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ገባዖን ስለ ዝነበረ፥ ሰሎሞንን እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤልን ናብኡ፥ ናብቲ ዀረብታ ኸዱ። ግና ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ እሞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ናብቲ ንሱ ዘዳለወሉ ቦታ ኣደዪብዎ ነበረ። እቲ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፥ ዝሰርሖ መሰውኢ ነሃስ ግና ኣብ ቅድሚ እቲ መሕደሪ እግዚኣብሄር ኣብ ገባዖን ነበረ። ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር የምልኹ ነበሩ። ሰሎሞን ድማ ናብኡ ደዪቡ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ጥቓ ናይ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ሽሕ ከፍቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ሰውአ። እግዚኣብሄር ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተገለፀሉ፤ “ክህበካ እትደልዮ ጠይቐኒ” ድማ በሎ። ሰሎሞን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፤ ንኣይ ድማ ኽንድኡ ኣንገስካኒ። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! እቲ ነቦይ ዳዊት ዝሃብካዮ ተስፋ ሕዚ ፈፅሞ፤ ብዝሓቱ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኣለኻ። ነዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ነዝ ህዝቢ እዙይ ከመሓድሮ ምእንቲ ክኽእል ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን “ድሌትካ እዙይ ካብ ኮነ፥ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን ወይ ነፍሲ ፀላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ስለ ዘይለመንካ፥ ክንድኡ ነዝ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምምሕዳር ምእንቲ ኽትክእል፥ ጥበብን ፍልጠትን ክወሃበካ ስለ ዝለመንካ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሂበካ ኣለኹ። ቅድሜኻ ንዝነበረ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፥ ብድሕሬኻ ዝለዓልውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን እውን ክህበካ እየ” በሎ። ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ኣብ ገባዖን ዝነበረ ዀረብታ፥ ካብቲ መራኸቢ ድንኳን ተመሊሱ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ነገሰ። እቲ ንጉስ ድማ ንወርቅን ብሩርን ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ኸም ዝበዝሕ ገበሮ፤ ንዝግባውን ብዝሓቱ ኣብ ቆላ ኸም ዘሎ ሳግላ ገበሮ። እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ከዓ ኻብ ግብፅን ካብ ቀዌን፥ በቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ካብ ቀዌ ተዓዲጎም ዝመፁ ነበሩ። ሓደ ሰረገላ ኻብ ግብፂ ብሽዱሽተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከዓ ብሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ንዅሎም ነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ኸምኡ እናገበሩ ብኢዶም የምፅኡሎም ነበሩ። ሰሎሞን ከዓ ቤት ንስም እግዚኣብሄር፥ ንመንግስቱ ድማ ቤት ክሰርሕ ሓሰበ። ሰሎሞን ከዓ ፆር ዝፆሩ ሰብዓ ሽሕ፥ ኣብ እምባታት እምኒ ዝወቕሩ ሰማንያ ሽሕ፥ ንኣኣቶም ዝሕልዉ ኸዓ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰባት መደበ። ሰሎሞን ናብ ኪራም ንጉስ ጢሮስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ከምቲ ነቦይ ዳዊት፥ ቤት ክሰርሕ እንተሎ፥ ኣእዋም ዝግባ ዝለኣኽካሉ፥ ንኣይውን ከምኡ ግበረለይ። እንሆ፥ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕን ክቕድሳን ሓሲበ ኣለኹ። ኣብኣ ኣነን ህዝቢ እስራኤልን፥ ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ክነቕርብ ኢና። ሕብስቲ ቝርባንውን ኵልሻዕ ኽንሰርዕ ኢና። ንግሆን ምሸትን ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽነቕርብ ኢና፤ እዙይ ከዓ ንእስራኤል ንዘለኣለም ተኣዚዙ እዩ። ኣምላኽና ድማ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዝዓቢ እዩ እሞ፥ እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤትውን ዓባይ እያ። ንእኡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኣይኣኽሎን እዩ እሞ፥ ንእኡ ቤት ክሰርሕ መን ይኽእል? ኣነኸ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን ምእንቲ ኽዓጥነላ እንተ ዘይኮይኑስ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐሉስ ኣነ መን እየ? ሕዚ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን፥ ብሓምራይን ውፁእ ቀይሕን ሰማያውን ዓለባ ኽሰርሕ ጥበብ ዘለዎ፥ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ምሳይ ዘለዉ ብልሓተኛታት ሰባት ኮይኑ፥ ኵሉ ዓይነት ቅርፂ ምቕራፅ ዝፈልጥ ሰብ ስደደለይ። “ሓሻኽርካ ምፅራብ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዝኽእሉ እፈልጥ እየ እሞ፥ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ዝግባን ፅሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ሓሻኽረይ ምስ ሓሻኽርካ ኽሰርሑ እዮም። እቲ ኣነ ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ከዓ ዓቢይን ዘደንቕን ክኸውን እዩ እሞ፥ ብዙሕ ኣእዋም የዳልዉለይ። እንሆ ኸዓ፥ ነቶም ኣእዋም ዝቘርፁ ሓሻኽርካ፥ ክልተ ሚልዮን ኪሎ ግራም ስርናይን ክልተ ሚልዮን ኪሎ ግራም ስገምን፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ወይንን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ዘይትን ክህብ እየ።” “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፥ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንገሰካ።” “ንእግዚኣብሄር ዝኸውን ቤተ መቕደስን ንባዕሉ ዝኸውን ቤተ መንግስትን ዝሰርሕ፥ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዘለዎ ብልሂ ወዲ፥ ንንጉስ ዳዊት ዝሃቦ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን። “ሕዚ ድማ ኪራምኣቢ ዝበሃል ብልህን መስተውዓልን ሰብኣይ እሰደልካ ኣለኹ፤ ንሱ ኻብ ነገድ ዳን ካብ ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወለደ እዩ፤ ኣቦኡ ኸዓ ጢሮሳዊ ሰብኣይ እዩ። ብስራሕ ወርቅን ብሩርን ነሃስን ሓፂንን እምንን ዕንፀይትን ዝተፈለጠ እዩ። ከምኡውን ብሓምራውን ሰማያውን ቀይሕ ውፁእ ዝኾነ ዓለባን ብሃርን ክሰርሕ ዝኽእል እዩ፤ ኵሉ ዓይነት ቅርፂ ድማ ምቕራፅ ዝፈልጥ እዩ። ኵሉ ዓይነት ናይ ብልሓት ስራሕውን ዝሃብካዮ ኽሰርሕ ዝኽእል እዩ። ንሱ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብልህታትን ምስቶም ምስ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ዝነበሩ ብልህታትን ኮይኑ ይስራሕ። “እምበኣር፥ ሕዚ እቲ ዝበልካዮ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ስደደልና። ንሕና ኸዓ ኻብ ሊባኖስ ከም ዝደለኻዮ ኣእዋም ክንቈርፅ ኢና፤ ኣሲርና ብባሕሪ ብጃልባ ኣንሳፊፍናውን ናብ ኢዮጴ ኽነብፅሐልካ ኢና፤ ንስኻ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተደይቦ።” ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ንዝነበሩ ዅሎም መፃእተኛታት ሰብኡት ቈፀሮም። ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ቕድምዙይ ከምኡ ገይሩ ቘፂርዎም ነበረ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ። ካብኣቶም ከዓ ሰብዓ ሽሕ ዝፆሩ፥ ሰማንያ ሽሕ ድማ ኣብ እምባታት ኮይኖም እምኒ ዝወቕሩ፥ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ከዓ ነቲ ህዝቢ ዘስርሕዎ ሓለውቲ መደበ። ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ብኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ። እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤት እግዚኣብሄር፥ ምንዋሑ ዕስራን ሸውዓተን ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸዓ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ነቲ ዓብዪ ቤተ መቕደስ ድማ ብሉሕ ፅሕዲ ኸደኖ፤ ንእኡውን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ምስሊ ስየታትን ሰንሰለታትን ስኢሉ ኣጌፆ። ነቲ ቤተ መቕደስ ድማ ብኽቡር ኣእማንን ካብ ፈርዋይም ብዝመፀ ወርቅን ገይሩ ሸለሞ። ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ ሰረገላታትን ልዳውትን መናድቕን መዓፁን፥ ብወርቂ ለበጦ፤ ምስሊ ኪሩቤል ድማ ቐረፀሉ። ሓሙሽተ ሚእትን ሰብዓን ግራም ወርቂ ዝወድአ ሽንካራት ከዓ ገበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን። ኣብታ ቕድስተ ቅዱሳን ከዓ እቶም ወቐርቲ፥ ምስሊ ኽልተ ኪሩቤል ገበሩ፤ ብወርቂ ድማ ለበጥዎም። ምንዋሕ ሓደ ኽንፊ ናይ ሓደ ኪሩቤል ክልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ነበረ። ንኽንፊ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከዓ ይነክእ ነበረ። ሓደ ኽንፊ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ድማ ኽልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ነበረ። ስለዙይ ናይ ክልቲኦም ኪሩቤል ኣኽናፍ ምንዋሑ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። ካብ መንደቕ ናብ መንደቕ ከዓ ይበፅሕ ነበረ። በእጋሮም ደው ኢሎም ነበሩ፤ ገፆምውን ናብ ቤት ኣቢሉ ይርኢ ነበረ። ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ሃርን ልሕፂ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረ፤ ምስሊ ኪሩቤል ከዓ ጠለፈሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ፥ ዓዓሰርተ ሓሙሽተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቱ፥ ክልተ ኣዕምዲ ሰርሐ። ኣብ ረርእሰን ከዓ ኸክልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝምንዋሑ ጕልላት ገበረለን። ንጫፍ እቲ ጕልላት ከዓ ብሰንሰለትን ብሚእቲ ሮማንን ገይሩ ኣጌፆ። ነተን ኣዕምዲ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ፥ ንሓንቲ ብወገን የማን፥ ነታ ሓንቲ ኸዓ ብወገን ፀጋም ኣቖመን። ነታ የማነይቲ ዓምዲ ያቁም፥ ብዝፈሰሰ ነሃስ ገይሩ ኽልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝቑመቱ፥ ኣርባዕተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝሰንጣቒቱ፥ ዙርያኡ ኸዓ ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝኾነ መዕቘሪ ማይ ሰርሐ። ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ድማ ንዅሉ እቲ መዕቘሪ ማይ ዙርያኡ ዝኸብዎ ምስሊ ኣብዑር ነበርዎ፥ ምስሊ እቶም ኣብዑር ከዓ ኽልተ መስርዕ ኮይኑ ምስቲ መዕቘሪ ማይ ብዝፈሰሰ ነሃስ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ። ነቲ መዕቘሪ ማይ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣብዑር ኣንበሮ። እቶም ኣብዑር ሰለስተ ንሰሜን ገፆም፥ ሰለስተ ንምዕራብ ገፆም፥ ሰለስተ ንደቡብ ገፆም፥ ሰለስተ ድማ ንምብራቕ ገፆም ይጥምቱ ነበሩ። ከንፈር እቲ መዕቘሪ ማይ ምርጓዱ ስድሪ ነበረ፤ ኣሰራርሓኡ ድማ ኸም ፅዋዕን፥ ከም ዕምበባ ሱፍን ነበረ። ስሳ ሽሕ ሊትሮ ከዓ ዝሕዝ ነበረ። ኣደባባይ ካህናትን፥ ገፊሕ ኣደባባይን ገበረ፤ መዓፁታት እቲ ኣደባባይውን ሰርሐ፤ ነቲ መዓፁታቱውን ብነሃስ ለበጦ። ነቲ መዕቘሪ ማይ ድማ ብደቡብ ምብራቕ ናይቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ሓደ ዅርናዕ ኣንበሮ። ስለዙይ ኪራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣቑሑ ሰሪሑ ፈፀሞ። ክልተ ኣዕምዲ፥ ኣብ ርእሲ እተን ኣዕምዲ ኸዓ ኽልተ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት፥ ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ጕልላት ዘጊፃ ድማ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ ሰርሐ። ነተን ክልተ ዓይኒ ርግቢ ዝኾና ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን፥ (ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት ዘመልክዓ ነሓደ ዓይኒ ርግቢ ኽልተ ዘውሪ ሮማን) ገበረ። መቐመጢታትን ኣብ ልዕሊ እቲ መቐመጢታት ዝቕመጡ ናይ መሕፀቢ ኵስኵስትታትን፥ ንሓደ ባሕሪ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑር ሰርሐ። ኪራም እቲ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብዘንፀባርቕ ነሃስ ሰርሖ። እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንጎ ሱኮትን ፅሬዳን፥ ኣብ ዝርከብ መፍሰሲ ኣፍሰሶ። ሰሎሞን ዝሰርሖ ኣቑሑ ነሃስ የመና ብዙሕ ስለ ዝነበረ፥ ክምዘን ኣይተኽኣለን። ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ዝሰርሖ ኣቑሑ እዙይ እዩ፦ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ሰደቓታት፥ ከም ስርዓቱ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዝበርሃ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሓ ቐወምቲ መቕረዛት መምስ ቀንዲለን ገበረ። ብምሉኡ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ዕምበባታትን ቀናዲል መንቀርቀርን ገበረ። ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ጕጠታትን ጭሐሎታትን ማንካታትን ፅንሃሃትን፥ ብወርቂ ሰርሐ፤ ናይ ቤተ መቕደስ መዓፁን ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን ከዓ ካብ ወርቂ ነበረ። ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዝኸብር በዓል ናብ ንጉስ ተኣከቡ። ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ ተኣከቡ ኸዓ፥ እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ፥ ነቲ ታቦትን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዅሉ ንዋየ ቅድሳትን፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣእተውዎ። ንጉስ ሰሎሞንን ኵሎም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቂ እስራኤልን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኮይኖም፥ ካብ ምብዛሐን ዝተልዓለ ዘይቚፀራን ዘይግመታን ኣባጊዕን ከፍትን ሰውኡ። እቶም ካህናት ከዓ ነቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፥ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ስለ ዝነበሩ ነቲ ታቦት ምስ መፃውራቱ ኻብ ላዕሊ ጋረድዎ። እቲ መፃውራት ነዊሕ ስለ ዝነበረ፥ ጫፉ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ መቕደስ ኴንካ ይረአ ነበረ፤ ብወፃኢ ግና ኣይረአን ነበረ፤ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት፥ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ቃል ኪዳን ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜ፥ እንትርፊ እተን ሙሴ ኣብ ኮሬብ ዘቐመጠን ክልተ ፅላት ካልእ ኣይነበረን። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናት ካብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ወፁ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኻህናት ከዓ ናይ ኣየንኡ ኽፍሊ ምዃኖም እንተይተፀበዩ ተቐዲሶም ነበሩ። ኵሎም እቶም መዘምራን ዝነበሩ ሌዋውያን ከዓ፥ ኣሳፍ፥ ኤማን፥ ኤዶታም፥ ከምኡውን ደቆምን ኣሕዋቶምን ብፅሩይ ሃሪ ዝተኣልመ ኽዳን ለቢሶም፥ ፀናፅልን መሰንቆን በገናን እናወቕዑ፥ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው ኢሎም ነበሩ። መለኸት ዝነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናትውን ምስኣቶም ደው ኢሎም ነበሩ። እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን ድምፆም ብሓደ ኣስምዑ። ብመለኸትን ብፀናፅልን ብኻልእ ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃን ተሰንዮም፥ “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን። ሽዑ ሰሎሞን “እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት እነብር እየ” በልካ። “ኣነ ግና፥ ንዘለኣለም እትነብረሉ መሕደሪ ቤት ሰራሕኹልካ” በለ። እቲ ንጉስ ድማ ገፁ መሊሱ ነቶም ኵሎም ኣብኡ ተኣኪቦም ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል መረቖም። ንሱውን፦ “እቲ ነቦይ ዳዊት ብኣፉ ዝተናገረ ብኢዱውን ዝፈፀመ፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይመስገን፤ ‘ንሱ ኻብታ ንህዝበይ ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ፥ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝፅውዐሉ ቤት፥ ዝስርሐሉ ኸተማ ኣይመረፅኩን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ዝኸውን ሰብውን ኣይመረፅኩን። ሕዚ ግና፥ ስመይ ኣብኣ ኽፅዋዕ ንኢየሩሳሌም መሪፀያ ኣለኹ፤ ንዳዊት ድማ ንህዝበይ እስራኤል ክመርሕ ሓርየዮ ኣለኹ’ ኢሉ እዩሞ። “ኣቦይ ዳዊት ከዓ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ክሰርሐሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ። እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት፦ ‘ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ሓሲብካ ስለ ዝነበርካ ፅቡቕ ገበርካ። ግና እቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ወድኻ እዩ ንስመይ ቤት ዝሰርሐለይ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን ቤት እትሰርሐለይ’ በሎ። “እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ዝተዛረቦ ቓል ፈፀሞ፤ እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ነጊሰ ኣብ ልዕሊ ዙፋን እስራኤልውን ተቐመጥኩ። ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ቤት ሰሪሐ ኣለኹ። ነታ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ቓል ኪዳን ዝሓዘት ታቦት ኣብኡ ኣንቢረያ ኣለኹ።” ድሕሪዙይ ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቆይሙ፥ ክፅሊ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣእዳዉ ዘርግሐ። ሰሎሞን ክልተ ሜትርን ዕስራን ሰንቲ ሜትር ዝምንዋሑ፥ ክልተ ሜትርን ዕስራን ሰንቲ ሜትር ዝምግፋሑ፥ ሓደ ሜትርን ሰላሳን ሰንቲ ሜትር ዝምብራኹ መድረኽ ብነሃስ ሰሪሑ ነበረ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ዓፀድ ከዓ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፤ ኣብ ቅድሚ ኵሉ እቲ ማሕበር እስራኤል ከዓ ተምበርኪኹ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ። “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ነቶም ብምሉእ ልቦም ብትእዛዝካ ዝነብሩ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ፤ ኣብ ምድሪ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ የለን። እቲ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት፥ ዘተስፈኻዮ ሓለኻዮ፤ ነቲ ብቓልካ ዝተናገርካዮ፥ ከምዝ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ብኢድካ ፈፀምካዮ። ሕዚ ድማ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! እቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፈኻዮ ተስፋ ይፅናዕ። ግና ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ! ናብ ፀሎት ባርያኻን ልመናኡን ኣቕልብ፤ እወ፥ ነዝ ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዘቕርቦ ዘለኹ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ። ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፥ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልካያ ቦታ፥ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይጠምታ። ነቲ ኣነ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልዮ ፀሎትውን ስማዕ። ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስምዓዮ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስምዓዮ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል። “ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ፥ ሓቁ ምእንቲ ኽፍለጥ ከዓ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ድማ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኽምሕል እንተ መፀ፥ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ኣፅድቆ፤ ከም ፅድቁውን ክፈሎ። ነቲ በዳሊ፥ በደሉ ናብ ርእሱ ኽምለስ ፍረዶ፤ ነቲ ንፁህ ከዓ ነፃ ኣውፅኣዮ። “ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ብፀላኢ እንተ ተስዓሩ፥ እሞ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ፀለዩን እንተ ተማህለሉን፥ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ይቕረ በል፤ ናብዛ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም። “ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ እንተ ተዓፅወ፥ ዝናም ከዓ እንተ ዘይዘነመ እሞ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ፀለዩ፥ ንስምካ እውን እንተ ኣኽበሩ፥ ስለ ዝቐፃዕኻዮም ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸድዋ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፤ ሓጢኣት ባሮትካ ህዝቢ እስራኤል ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሃባ። “ኣብ ሃገር፥ ጥሜት እንተ ኾነ፥ ፌራ እንተ ኾነ፥ ሕሞድያ ወይ ሃጕ፥ ኣንበጣ ወይ ኵብኵብታ እንተ መፀ፥ ወይ ፀላኢኦም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፥ ወይ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መፀ፥ እሞ ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሕማሙን ጓሂኡን ፈሊጡ፥ ብፀሎትን ምህለላን ኣእዳዉ ናብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ፤ ይቕረውን በል፤ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብዛ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ምእንቲ ኸኽብሩኻን ክእዘዙኻን፥ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ልቡ ፈሊጥካ፥ ከከም መንገዱ ሃቦ። “ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኮነ ጓና፥ ብዛዕባ እዝ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ ብርቱዕ ሓይልኻን፥ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ዓበይቲ ተኣምራትን ሰሚዑ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መፀ፥ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኸዓ እንተ ፀለየ፥ ንስኻ ኣብ መሕደሪኻ ኣብ ሰማይ ስማዕ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሑኻ፥ እዛ ዝሰራሕኽዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ብስምካ ኸም ዝተሰምየት ክፈልጡስ፥ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ስምዓዮ፤ ነቲ ጓና ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ዝለመነካ ግበረሉ። “ንህዝብኻ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ፀላእቶም ወፂኦም ክዋግኡ እንተ ኣዘዝካዮም፥ እሞ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም ናባኻ ናብ እግዚኣብሄር እንተ ፀለዩ፥ ሽዑ ንስኻ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍርዲ ግበረሎም። “ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የለን እሞ፥ ህዝብኻ እንተ በደሉኻ፥ ንስኻ ድማ ተቘጢዕኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም፥ እሞ ናብ ርሑቕ ኮነ ወይ ናብ ቀረባ ናብ ሃገር ፀላኢ ተማሪኾም እንተ ኸዱ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸዱዋ ሃገር ኮይኖም ብልቦም እንተ ተናስሑ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ሃገር ኮይኖም ከዓ መሊሶም ‘ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፥ ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥ ሽዑ ኣብ ሰማይ፥ ኣብቲ ዘለኻዮ፥ ንፀሎቶምን ንምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍረደሎም። ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ድማ በደሎም ይቕረ በለሎም። “ሕዚ ኸዓ ኦ ኣምላኸይ! ኣዒንትኻ ናባና ዝጥምታ፥ ኣእዛንካውን ዘዳምፃ ክኾና እልምነካ ኣለኹ። ቅዱሳንካውን ብሰናይ ይተሓጐሱ። ነቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፈኻዮ ምሕረት ዘክር።” ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብታ ቤተ መቕደስ ስለ ዝመልአ ኸዓ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ክኣትዉ ኣይከኣሉን። ኢሎም ኣመስገንዎ። ሽዑ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ። ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኣብዑርን ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኣባጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። በዙይ ድማ እቲ ንጉስን ኵሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ። እቶም ካህናት ድማ ኣብቲ ዝተመደበሎም ቆይሞም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ በቲ ንጉስ ዳዊት ዘዳለዎ መሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ። ከምቲ ዳዊት ዝኣዘዞም ድማ “ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብኡ ደው ኢሎም እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ኣብ መንፅር እቶም ሌዋውያን ኮይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእኸላይ ዓፀድ ቀደሶ። እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ነሃስ መሰውኢ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ናይ እኽሊ ቝርባን ስብሑንውን ምሓዝ ኣይከኣለንሞ፥ ስብሒ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ኣቕረበ። በቲ ጊዜ እቱይ ሰሎሞን ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብታ ንሃማት እተእቱ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ካብ ወሰን ግብፂ ዝመፁ ህዝቢ ኾይኖም ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ። ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ቐዲሶም ሸውዓተ መዓልቲ እውን በዓል ገይሮም ነበሩሞ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ዝተቀደሰ ጉባኤ ገበሩ። ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ሰሎሞን ነቶም ህዝቢ ነናብ ድንኳናቶም ሰደዶም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ሕጉሳትን ፍሱሓትን ኮይኖም ከዱ። ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስቱን ሰሪሑ ፈፀመ፤ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ናይ ባዕሉ ቤትን፥ ከምቲ ዅሉ ኽሰርሖ ብልቡ ዝሓሰቦ ኣከናወነ። “ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ነዛ ቦታ እዚኣውን ነኣይ ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ሓርየያ ኣለኹ። “ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዓፀኽዎ፤ ነንበጣውን ንምድሪ ኽበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፥ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፥ እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ህዝበይ ከዓ ርእሶም ኣዋሪዶም እንተ ለመኑ፥ ገፀይውን እንተ ደለዩ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፤ ሓጢኣቶም ከዓ ይቕረ ኽብለሎም፥ ምድሮምውን ክፍውስ እየ። ሕዚ እውን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዝፅለ ፀሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ፥ ኣእዛነይውን ፅን ክብላ እየን። ሕዚ ድማ ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ንክኸውን፥ ነዛ ቤት እዚኣ መሪፀያ ኣለኹ፤ ቀዲሰያውን ኣለኹ፤ ኣዒንተይን ልበይንውን ኵልሻዕ ኣብኣ ክኾኑ እዮም። “ንስኻ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ እንተ ገበርካ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝገበሮ ሕግጋተይን ስርዓታተይን ብምሕላው እንተ ነበርካ፥ ከምቲ ነቦኻ ዳዊት፥ ኣብ እስራኤል ሓለቓ ዝኸውን ሰብ ካብ ዘርእኻ ኣይሰኣንን ኢለ ቓል ኪዳን ዝኣተኹሉ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኸፅንዖ እየ። “ንስኻትኩም ግና ነኣይ ካብ ምኽታል እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ስርዓታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓደግኩምዎ፥ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥ ሽዑ ኻብዛ ነቦታትኩም ዝሃብኩዎም ምድሪ ኽነቕለኩም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከዓ፥ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፤ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ድማ መመሰልን መሳለቕን ክገብራ እየ። ነዛ ልዕል ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እናረአዩ፥ ኵሎም እቶም ብኣኣ ዝሓልፉ ሰባት ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኣብዛ ሃገር እዚኣን፥ ኣብዛ ቤት እዚኣን ከምዙይ ዝገበረ?’ እናበሉ ኽግረሙ እዮም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ነቦታቶም ዘውፅአ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዘምለኽዎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዝ ዅሉ ክፉእ ነገር ኣብ ልዕሊኣቶም ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።” ሰሎሞን፥ ቤት እግዚኣብሄርን ናይ ባዕሉ ቤትን ዝሰርሐለን ዕስራ ዓመታት ምስ ተወድኣ፥ ሰሎሞን ነተን ኪራም ዝሃቦ ኸተማታት ሰርሐን፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኣብኣተን ኣቐመጦም። ሰሎሞን ከዓ ናብ ምድሪ ሓማትሱባ ኸደ፤ ኣሰነፋውን። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ንኸተማ ታድሞርን ንዅለን እተን ኣብ ሓማት ቤተ መዛግብቲ ዝነበራ ኸተማታትን ሰርሐን። ንላዕለዋይ ንቤትሖሮን ንታሕተዋይ ቤትሖሮን መካበብያታትን መዓፁን መሸጐሪታትን ዘለወን ዝተዓረዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሐን። ንኸተማ በዓላትን ንዅለን እተን ናይ ሰሎሞን ቤተ መዛግብቲ ዝነበራ ኸተማታትን፥ ኵለን ከተማታት ሰረገላታቱን ከተማታት ፈረሰኛታቱን፥ ከም ድሌቱ ገይሩ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ሃገር ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለዮ ሰርሐ። ሰሎሞን ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ሓዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ ኻብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ዅሎም ህዝቢ፥ ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ገባራት ገይሩ ግዙኣት ገበሮም። ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን። ካብዚኣቶምውን፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስልጣን ዝነበሮም ናይ ንጉስ ሰሎሞን ዋናታት ኣሕሉቕ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። ሰሎሞን “ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል፥ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝኣተወ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ እዩ እሞ፥ ሰበይተይ ኣብኡ ኽትነብር ኣይግብኣን እዩ” ስለ ዝበለ፥ ንጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ኣውፂኡ ናብታ ዝሰርሐላ ቤት ኣደየባ። ሽዑ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ቤተ መቕደስ ዝሰርሖ መሰውኢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበሉ። ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸም ስርዓቶም በብመዓልትን በብሰናብትን በብሰርቂ ወርሕን፥ በተን ኣብ ዓመት ሓድሓደ ጊዜ ዝውዕላ ምዱባት ሰለስተ በዓላትን፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን ይስውእ ነበረ። ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣቦኡ ዳዊት፥ ሰሪዕዎን ኣዚዝዎን ዝነበረ ድማ ነቶም ካህናት በብመዓልቶም ከገልግሉ፥ ነቶም ሌዋውያን ከዓ በብመዓልቶም ከምቲ ዝግባእ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ነቶም ካህናት ክሕግዙን መደቦም። ነቶም ሓለውቲ በርታት ከዓ በብኽፍሎም ኣብ ደገ ኽሕልዉ ኣቖሞም። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን ካልእ ስራሕን ዝኣዘዞም ሓለውዎ። ከምዙይ ኢሉ ዅሉ እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ካብ ምስራት ክሳዕ ምፍፃም ተዳለወ፤ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተፈፀመት። ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ናብ ዘለዋ ዔፅዮንጋብርን ኤላትን ዝበሃላ ወደባት ከደ። ኪራም ድማ ብሓሻኽሩ ገይሩ መራኽብን ባሕረኛታት ሓሻኽርን ሰደደሉ፤ ንሳቶምውን ምስ ሓሻኽር ሰሎሞን ናብ ኦፊር ከዱ። ካብኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምፅኡ። ንግስተ ሳባ ዝና ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፥ ብሕንቅሕንቅሊተይ ክትፍትኖ፥ ብዙሕ ሽቱን ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝተፅዓና ኣግማል ሒዛ ናብ ኢየሩሳሌም መፀት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፥ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ነገረቶ። ሰሎሞን ከዓ ነቲ ዅሉ ዝጠየቐቶ ገለፀላ፤ ክገልፀላ ዘይከኣለ ነገር ድማ ኣይነበረን። ንግስተ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እቲ ዝሰርሖ ቤተ መንግስትን፥ መብልዕ ማእዱን፥ ኣቀማምጣ ሹመኛታቱን ኣቀዋውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን፥ ኣሰለፍቲ ወይኑን ኣከዳድናኦምን፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘዕርጎ መስዋዕትን ንንጉስ ከዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕኽዎ ነገር ሓቂ እዩ። መፂአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፥ ነቲ ዘረባኣቶም ኣይኣመንክዎን፤ እንሆ ኸዓ፥ ፍርቂ ዕቤት ጥበብካ እኳ ኣይነገሩንን። ንስኻስ ካብቲ ብወረ ዝሰማዕኽዎ ትበልፅ ኢኻ። እዞም ሰብካን፥ እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ቖይሞም ጥበብካ ዝሰምዑ ሓሻኽርካን፥ ክንደይ ዕድለኛታት እዮም! እቲ ብስሙ ኽትገዝእ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዘቐመጠካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቡሩኽ ይኹን። ኣምላኽካ ንእስራኤል ንዘለኣለም ከበርትዖ ስለ ዝደለየ፥ ፍርድን ፅድቅን ምእንቲ ክትገብር፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ኣንገሰካ።” እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምፅኡ ሓሻኽር ኪራምን ሓሻኽር ሰሎሞንን፥ ዕንፀይቲ ሰንደልን ክቡር ዕንቊን ከዓ የምፅኡ ነበሩ። ንጉስ ድማ ኻብቲ ዕንፀይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዝኸውን መደያይቦ፥ ንመዘምራን ዝኸውን ከዓ በገናታትን መሰንቆታትን ገበረ። ከምኡ ዝበለ ኸዓ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ቕድሚኡ ተርእዩ ኣይፈልጥን። ንጉስ ሰሎሞን ንንግስተ ሳባ ኻብ እቲ ዅሉ ናብኡ ዘምፅአትሉ፥ ዝበልፅ፥ ኵሉ ዘፈተወቶን ኵሉ ኻብኡ ዝለመነቶውን ሃባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ሓሻኽራ ናብ ሃገራ ኸደት። ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዘምፅእዎ ዝነበሩ፥ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዝኣትዎ ዝነበረ ወርቂ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነበረ። ኵሎም ነገስታት ዓረብን ሹመኛታት ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምፅኡሉ ነበሩ። ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኽልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታታት ሰርሐ። ነንሓደ ዋልታ ኣስታት ሸውዓተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። ብቕጥቁጥ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣናእሽተይ ዋልታታት ሰርሐ። ነንሓደ ዋልታ ድማ ኣስታት ሰለስተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብታ ዱር ሊባኖስ እትበሃል ኣዳራሽ ኣንበሮ። ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ገይሩ ዓብዪ ዙፋን ሰርሐ፤ ብፅሩይ ወርቂውን ለበጦ። እቲ ዙፋን ከዓ ሽዱሽተ መደያይቦን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓደ ናይ እግሪ ድኳ ምስቲ ዙፋን ዝለገበ ነበሮ፤ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዙይን በቱይን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳዉ ኸዓ ምስሊ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ። ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ምስሊ ዓሰርተ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ዙፋን ኣብ ዝኾነ መንግስቲ ተርእዩ ኣይፈልጥን። ኵሉ ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ኣዳራሽ ዝነበረ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ኣይቝፀርን ነበረ። ንጉስ ሰሎሞን ምስ ሓሻኽር ኪራም ናብ ተርሴስ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ በለፀ። ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ጥበብ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ገፅ ሰሎሞንውን ክሪኡ ይምነዩ ነበሩ። ንሳቶም ከዓ ነፍሲ ወከፎም ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣፅዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ዓመት ገፀ በረኸት የምፅኡሉ ነበሩ። ሰሎሞን ኣርባዕተ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስን ሰረገላታትን ኣስርሐ፤ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትውን ነበርዎ። ንገሊኣቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ንገሊኣቶም ድማ ኣብቲ ሰረገላታት ዝቕመጥዎ ኸተማታት ኣቐመጦም። ካብ ሩባ ኤፍራጥስ ጀሚሩ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ዅሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። እቲ ንጉስ ከዓ ንብሩር ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ከም ዝበዝሕ ገበሮ፥ ብዝሒ ዝግባውን ኣብ ቈላ ኸም ዝበቊል ሳግላ ገበሮ። ንሰሎሞን ካብ ግብፅን ካብ ኵለን ሃገራትን ኣፍራስ የምፅኡሉ ነበሩ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ታሪኽ፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን ኣብ ታሪኽ ነቢይ ናታንን ኣብ ትንቢት ኣኪያ በዓል ሴሎን ኣብ ራእይ ኣዶ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ራእይ ኣዶ ብዛዕባ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥውን ዝዛረብ እዩ። ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። ሰሎሞን ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሮብዓም ነገሰ። ኵሎም እስራኤል ከንግስዎ ናብ ሴኬም መፂኦም ነበሩሞ ሮብዓም ናብ ሴኬም ከደ፤ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ናብ ግብፂ ኸይዱ ነበረሞ፥ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ኢዮርብዓም ካብ ግብፂ ተመለሰ። ልኢኾም ድማ ፀውዕዎ። ሽዑ ኢዮርብዓምን ኵሎም እስራኤልን መፂኦም ንሮብዓም፥ “ኣቦኻ ኸቢድ ኣርዑት ኣሸከመና፤ ሕዚ ግና ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዘሸከመና ኸቢድ ኣርዑትን ኣቕልለልና፤ ንሕናውን ክንግዝአካ ኢና” በልዎ። ንሱ ድማ፦ “ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸዱ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ እንተሎ ዘማኽርዎ ዝነበሩ ዓበይቲ “ነዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ክምልሰሉ ትመኽሩኒ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሕያዋይ እንተ ኾንካሎም፥ እንተ ለዋህኻሎም፥ ጥዑም ዘረባውን እንተ ኣስማዕኻዮም፥ ንሓዋሩ ሓሻኽር ኮይኖም ከገልግሉኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፥ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ይቖሙ ዝነበሩ መናእሰይ ተማኸረ። “ነዞም ‘እቲ ኣቦኻ ዘሸከመና ኣርዑት ኣቕልለልና’ ዝብሉኒ ዘለዉ ህዝቢ እንታይ ክምልሰሎም ተማኽሩኒ?” ድማ በሎም። እቶም መተዓብይቱ ዝኾኑ መናእሰይ ከዓ “ነዞም ‘ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ፥ ንስኻ ግና ኣቕልለልና’ ኢሎም ዝተዛረቡኻ ህዝቢ ‘እዛ ንእሽተይ ኣፃብዕተይ፥ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ። ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም መኸርዎ። ከምቲ እቲ ንጉስ “በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ኢሉ ዝተዛረቦም ድማ፥ ኢዮርብዓምን ኵሉ እቲ ህዝብን ኮይኖም፥ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መፁ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣትሪሩ መለሰሎም። “ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ኣሸከመኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም። ነቲ እግዚኣብሄር ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኽፍፅሞ፥ ካብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፥ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን። ኢሎም ንንጉስ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ከዱ። ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ። ንጉስ ሮብዓም ነቲ ኣገባሪ ዝነበረ ኣዶኒራም፥ ናብ እስራኤላውያን ሰደዶ። ደቂ እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። ንጉስ ሮብዓም ግና ናብ ሰረገላኡ ብቕልጡፍ ደዪቡ ናብ ኢየሩሳሌም ሃዲሙ ኣምለጠ። ህዝቢ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ፥ በዝ ኸምዙይ ዓሚፆም ኣለዉ። ሮብዓም ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መፀ፥ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብኡ ናብ መንግስቲ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክመልስዋ፥ ካብ ቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ። ግና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሸማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦ “ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ንዘለዉ ዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትኺዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። እዝ ነገር እዙይ ብፍቓደይ ዝኾነ እዩ።” ንሳቶም ከዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝበሎም ሰሚዖም፥ ንኢዮርብዓም ክወግኡ ኻብ ምኻድ ተመለሱ። ሮብዓም ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጠ፤ ነዘን ዝስዕባ ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ኸተማታት ከዓ ዓረደን፦ ንሳተንውን ቤተ ልሔምን፥ ኤጣምን፥ ቴቁሔን፥ ቤትፁርን፥ ሶኮን፥ ኣዶላምን፥ ጌትን፥ መሪሳን፥ ዚፍን፥ ኣዳራይምን፥ ለኪሶንን፥ ዓዜቃን፥ ፆርዓን፥ ኤሎንን፥ ኬብሮንን እየን። ንዕርድታት እዘን ከተማታት እዚኣተንውን ኣጠናኸሮ፤ ኣዘዝቲ ኸዓ ገበረለን። ስንቂ ዝኸውን እኽልን ዘይትን ወይንን ድማ ኣብኣተን ኣከበ። ኣብ ኵለን ከተማታትውን ዋላቱን ኲናታትን ኣቐመጠለን፤ የመና ድማ ኣጠናኸረን። በዝ ኸምዙይ ከዓ ምድሪ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኾና። እቶም ኣብ ኵሉ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ኵሉ ዓድታቶም ናብኡ መፁ። እቶም ሌዋውያን፥ ካህናት እግዚኣብሄር ኮይኖም ከየገልግሉ፥ ኢዮርብዓምን ደቁን ኣልቂቖምዎም ነበሩሞ፥ ሌዋውያን መዋፈሪኦምን፥ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እንተይተረፈ እናሓደጉ ናብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን መፁ። ኢዮርብዓም ግና ንዀረብታታት መስገዲታትን ንኣጋንንቱን ንዝሰርሖም ምራኹትን ዘገልግሉ ኻህናት ኣቖመ። ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ልቦም ዝሃቡ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ምእንቲ ኽስውኡሉ፥ ንሌዋውያን ተኸቲሎም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ። ሰለስተ ዓመትውን ብመንገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ይኸዱ ነበሩሞ፥ ሰለስተ ዓመት ንመንግስቲ ይሁዳ ኣበርትዑ፤ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞንውን ኣፅንዕዎ። ሮብዓም ንመሓላት ኣእተዋ፤ ንሳ ጓል ኢያሪሙት ወዲ ዳዊት ነበረት። እኖኣ ኸዓ ኣቢካኢል ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይ ነበረት። ንሳ ድማ፥ የዑስን ሰማራያን ዘሃምን ዝበሃሉ ኣወዳት ወለደትሉ። ብድሕሪኣ ኸዓ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ኣእተዋ፤ ንሳ ድማ ንኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሰሎሚትን ወለደትሉ። ሮብዓም ከዓ ዓሰርተ ሸሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፤ ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣጓላትን ድማ ወሊዱ ነበረ፤ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ግና ሕልፊ ዅለን ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ይፈትዋ ነበረ። ሮብኣም ከዓ ነቲ ኻብ መዓካ ዝወለዶ ኣብያ ዝበሃል ወዱ ኸንግሶ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሸሞ። ብምስትውዓል ድማ ንዅሎም ደቁ ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን ብንያምን፥ ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታትን ሓለፍቲ ገይሩ ኣቐመጦም፤ ብዙሕ ምግቢ ድማ ሃቦም ብዙሓት ኣንስቲ እውን ደለየሎም። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ፀንዐትን፥ ንሱውን ምስ በርትዐን፥ ንሱን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ሕጊ እግዚኣብሄር ሓደጉ። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ ድማ ንጉስ ሮብዓም ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ንኢየሩሳሌም ክወግኣ ደየበ። ካብ ግብፂ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን ኣኽተተ። ቍፅሪ ዘይብሎም ህዝቢ ድማ ሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፥ ምስኡ ነበሩ። ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓዘን፤ ሽዑ ናብ ኢየሩሳሌምውን መፀ። ነቢይ ሸማያ ኸዓ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ካብ ቅድሚ ሺሻቅ ሃዲሞም ናብ ኢየሩሳሌም ዝተኣከቡ ኣሕሉቕ ይሁዳን መፂኡ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንስኻትኩም ሓደግኩምኒ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድ ሺሻቅ ሓደግኩኹም’ ” በሎም። ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤልን እቲ ንጉስን “እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ” ኢሎም ሰብነቶም ኣዋረዱ። እግዚኣብሄርውን ሰብነቶም ከም ዘዋረዱ ምስ ረአየ፥ ንሸማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ፦ “ርእሶም ኣዋሪዶም እዮም እሞ ኣየጥፍኦምን እየ፤ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ እውን ከድሕኖም እየ። ናህሪ ቝጥዐይ ከዓ ብኢድ ሺሻቅ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ኣይፈስስን እዩ። ግና ነኣይ ምግዛእን ንነገስታት ምድሪ ምግዛእን ምእንቲ ኽፈልጡ ክግዝኡሉ እዮም።” ንጉስ ሮብዓም ግና ኽንድኡ ዋላቱ ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ዝነበሩ ሓለውቲ ኸዓ ኣንበሮም። እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ እቶም ሓለውቲ ነቲ ዋላቱ ይፆርዎ ነበሩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ሰፈር እቶም ዘብዐኛታት ይመልስዎ ነበሩ። ንጉስ ሮብዓም ርእሱ ስለ ዘዋረደ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ፈፂሙ እንተየጥፍኦ ኻብኡ ተመለሰ፤ ኣብ ይሁዳ ድማ ፅቡቕ ነገር ኮነ። ሮብዓም ክነግስ እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ብርቱዕ ንጉስ ኮነ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኸንብረላ፥ ካብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ናዓማ እትበሃል በዓልቲ ኣሞን ነበረት። ንሱ ግና ንእግዚኣብሄር ኽደሊ፥ ልቡ ኣየዳለወን ነበረሞ ኽፉእ ገበረ። ኵሉ እቲ ሮብዓም ዝገበሮ፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ ታሪኽ ናይ ነቢይ ሸማያን፥ ኣብቲ በዓል ራእይ ኣዶን፥ ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ድማ ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ። ሮብዓም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣብያ ነገሰ። ንጉስ ኢዮርብዓም ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ኣብያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኣብ ኢየሩሳሌም ሰለስተ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ሚካያ እትበሃል ጓል ኡሪኤል በዓል ገባዖን ነበረት። ኣብ መንጎ ኣብያን ኢዮርብዓምን ከዓ ውግእ ኮነ። ኣብያ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ምሩፃት ተዋጋእቲ ሒዙ ተሰለፈ። ኢዮርብዓም ከዓ ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ሒዙ ምስኡ ኽገጥም ተሰለፈ። ኣብያ ኸዓ ኣብ እምባ ኤፍሬም ኣብ ዘላ ዀረብታ ፅማራይም ኮይኑ ንኢዮርብዓምን ንሰራዊት እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ “ኢዮርብኣምን ኵልኹም እስራኤልን ስምዑኒ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊትን ንደቁን፥ ንዘለኣለም ዘይድምሰስ ናይ ጨው ቃል ኪዳን ከም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ሓሽከር ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ግና ተሲኡ ኣብ ጐይታኡ ዓመፀ። ክፉኣትን ዘይረብሑ ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ንሳቶም ከዓ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ። ሮብዓም ድማ ለግለግ መንእሰይ ስለ ዝነበረ ኽምክቶም ኣይከኣለን። “ሕዚ ኸዓ ነታ ንደቂ ዳዊት ዝሃባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኽትቃወምዋ ትሓስቡ ኣለኹም። ብርግፅ ንስኻትኩም ዓብዪ ህዝቢ ኢኹም፤ እቶም ኢዮርብዓም ኣማልኽትኹም ክኾኑ ብወርቂ ዝሰርሖም ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ። ነቶም ካህናት እግዚኣብሄር ዝኾኑ፥ ደቂ ኣሮንን ሌዋውያንን ኣይሰጐጕኩምዎምንዶ? ኸም ልማድ እቶም ካልኦት ኣህዛብ ባዕልኻትኩምዶ ካህናት ኣይገበርኩምን? ኵሉ ንባዕሉ ኽቕደስ ሓደ ዝራብዕን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዙ ዝመፀ ነቶም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ ካህን ይኸውን። “ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሕናውን ኣይሓደግናዮን። እቶም መገልገልቲ እግዚኣብሄር ኻብ ደቂ ኣሮን ካህናቱን ሌዋውያኑንውን፤ ብስራሖም ምሳና እዮም። ንግሆን ምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእትን ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣንን የዕርጉ ኣለዉ፤ ኣብቲ ኸም ስርዓት ፅሩይ ዝኾነ ጠረጴዛ፥ ሕብስቲ ቝርባን የቕርቡ ኣለዉ፤ ምሸት ምሸት ከብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መቕረዙ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናውን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንሕሉ ኣለና፤ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም። እንሆ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ሓለቓ እዩ፤ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ኻህናቱ ኣብ ልዕሌኹም ክነፍሑ ድማ ምሳና እዮም። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ፥ ኣይቐንዐኩምን እዩ።” ኢዮርብዓም ግና ብድሕሪት ይሁዳ ሕቡእ ሰራዊት ኣዳልዩ ነበረ። ንሱን እቶም ዝተረፉ ሰራዊቱን ግና ኣብ መረኣእይቲ ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ። ይሁዳ ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ እቲ ሰራዊት ብድሕሪትን ብቕድሚትን ነበረ። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ሰብ ይሁዳ ምስ ኣእወዩ፥ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮርብዓምን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣብያን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዓሮም። ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ይሁዳ ሃደሙ፤ እግዚኣብሄርውን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብያን ህዝቡን ከዓ ዓቢዪ ውቅዒት ወቕዑዎም፤ ካብ እስራኤል ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰባት ተቐቲሎም ወደቑ። በዝ ኸምዙይ ህዝቢ እስራኤል ተዋረዱ፤ ህዝቢ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝኣመኑ ሰዓሩ። ኣብያ ድማ ንኢዮርብዓም ኣሳጐጎ፤ ንኸተማታት ቤቴልን ይሻናንን ዔፍሮንን መምስ ቍሸታተን ወሰደ። ኢዮርብዓም፥ በቲ ኣብያ ነጊሱሉ ዝነበረ ጊዜ፥ ስልጣኑ ኸጠናኽር ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ እግዚኣብሄር ስለ ዝቐሰፎ ሞተ። ኣብያ ግና እናበርትዐ ኸደ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣጓላትን ድማ ወለደ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ታሪኽ፥ ዝበሎን ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኣዶ ተፅሒፉ ኣሎ። ኣብያ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሳ ነገሰ። ብዘመኑ ኸዓ እታ ሃገር ንዓሰርተ ዓመት ሰላም ረኸበት። ኣሳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፅቡቕን ቅኑዕን ዝኾነ ገበረ። ነቲ ናይ ባዕዳን ኣማልክቲ መሰውኢታትን ነቲ ኣብ ኰረብታታት ዝነበረ መምለኺ ጣዖትን ኣፍረሶ፤ ነቲ ዘምልኹሉ ሓውልቲውን ሰባበሮ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን ቈረፆ። ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ክደልዩን፥ ሕጉን ትእዛዛቱንውን ክሕልዉን ኣዘዞም። ነቲ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ናይ ዀረብታ መስገዲታትን ምስልታት ፀሓይን ኣወገዶ፤ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ህድኣት ረኸበት። እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ፥ በተን ዓመታት እቲኣተን ውግእ ኣይነበረን፤ ነተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኸተማታት ድማ ዕርዲ ሰርሐለን። ኣሳ ኸዓ ንህዝቢ ይሁዳ “ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝፈፀምና፥ እዛ ሃገር ሕዚ እውን ናትና እያ። እግዚኣብሄር ድማ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሂቡና ኣሎ። ስለዙይ ነዘን ከተማታት እዚኣተን ቅፅርን ግምብታትን ዝዕፆን ዝሽጐርን በሪ ሰሪሕና ንዓርደን” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰርሑ፤ ፈፀሙውን። ኣሳ ኸዓ ሰብ ኲናትን ዋልታን ካብ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ነበርዎ፤ ካብ ብንያምውን ዋልታ ዝሕዙን ፍላፃ ዝውርውሩን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሰባት ነበርዎ። እዚኣቶም ኵላቶም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ። እቲ ኢትዮጵያዊ ዝሪ ድማ፥ ሓደ ሚልዮን ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላን ሒዙ ኽዋግኦም ናብ መሪሳ ወፀ። ኣሳውን ክጋጠሞ ወፀ እሞ፥ ኣብቲ ለሰ ፅፋታ ናይ ማሬሻ ንውግእ ተሰለፉ። ኣሳ ድማ፦ “ኦ ጐይታ! ብብዝሒ ኾነ ብውሑድ ምድሓን ይከኣለካ እዩሞ፥ ኦ ኣምላኽና ብኣኻ ኢና ተኣሚንና ዘለናሞ፥ ብስምካውን ነዝ ጭፍራ እዙይ ክንዋግኦ መፂእና ኢናሞ ርድአና። ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና፤ ሰብውን ኣይስዓርካ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣእወየ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ወቕዖም፤ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ሃደሙ። ኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከዓ ኽሳዕ ጌራራ ኣሳጐጕዎም፤ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ብእግዚኣብሄርን ብሰራዊቱን ተደምሰሱ እሞ ኻብኣቶም ሓደ እንተይተረፈ ሞቱ። ሰብ ይሁዳ ኸዓ ብዙሕ ምርኮ ማረኹ። እግዚኣብሄር ነተን ኣብ ዙርያ ጌራራ ዘለዋ ኸተማታት ራዕዲ ስለ ዝሰደደለን ድማ ንዅለን ሰዓርወን። ኣብኣተን ከዓ ብዙሕ ምርኮ ስለ ዝነበረ ንዅለን ዘመትወን። ደምበ ኸፍቲ እናፍረሱ ድማ፥ ብዙሓት ኣባጊዕን ኣግማልን ዘመቱ። ብድሕሪኡ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ መፀ። ንኣሳ ድማ ኽራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ንጉስ ኣሳን፥ ኵልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ስምዑኒ፤ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ዄንኩም ንሱውን ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ፤ እንተ ደሊኹምዎውን ክርከበልኩም እዩ። ንስኻትኩም እንተ ሓዲግኩምዎ ግና ንሱ ኸዓ ኽሓድገኩም እዩ። ህዝቢ እስራኤል ንነዊሕ ዘመን ብዘይ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን ብዘይ ዝምህር ካህንን ብዘይ ሕግን ይነብሩ ነበሩ። ብጊዜ መከራኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ረኸብዎ። በቲ ዘመን እቱይ ንዝወፅእን ንዝኣቱን ሰላም ኣይነበረን፤ ኣብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን ዓብዪ ራዕዲ ነበረ። እግዚኣብሄር ብመከራ የጨንቖም ነበረሞ፥ ሓንቲ ሃገር ምስ ሓንቲ ሃገር፥ ሓንቲ ኸተማ ድማ ምስ ሓንቲ ኸተማ ትዋጋእ ነበረት። ንስኻትኩም ግና ዓስቢ ስራሕኹም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ፅንዑ፤ ኢድኩም ኣይላሕልሕ።” ንጉስ ኣሳ ድማ እዝ ቓላት እዙይን እቲ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ ዝበሎን ምስ ሰምዐ፥ ተብዐ እሞ ኻብ ኵላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ዝባውንቲ ኤፍሬም ዝሓዘን ከተማታትን፥ ንዅሉ ዘፀይፍ ነገር ኣወገደ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሐደሶ። ንዅሉ ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን መፂኦም ምስኣቶም ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትውን ኣከቦም፤ እዚኣቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ንጉስ ኣሳ ኸም ዘሎ ሪኦም፥ ካብ እስራኤል መፂኦም ናብኡ ዝተፀግዑ እዮም። ንሳቶም፥ ኣሳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ በታ ሳልሰይቲ ወርሒ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኻብቲ ዘምፅእዎ ምርኮ ሸውዓተ ሚእቲ ኣብዑርን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ከምልኽዎ ኸዓ ቓል ኪዳን ኣተዉ። ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘየምልኽ ኵሉ ብሞት ክቕፃዕ መሓሉ። ዓው ብዝበለ ድምፅን ዕልልታን፥ ብመለኸትን እምብልታን ድማ ንእግዚኣብሄር መሓሉሉ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸዓ፥ በቲ ማሕላ ተሓጐሱ፤ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ንእግዚኣብሄር ደለይዎ፤ ንሱውን ተረኽበሎም፤ ኣብ ዙርያኦምውን ዕረፍቲ ሃቦም። ንጉስ ኣሳ ድማ ንመዓካ እኖኡ፥ ኣብቲ ኣፀድ ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዝገበረት፥ ካብቲ ዝነበራ ናይ ንግስቲ ኽብረት ሰዓራ። ነቲ ምስሊ ጣዖት ቈሪፁን ጨፍሊቑን ኣብ ጥቓ ሩባ ቄድሮን ኣቃፀሎ። ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣየወገዶን፤ ልቢ ኣሳ ግና ብምሉእ ዘመኑ ፍፁም ነበረ። ነቲ ኣቦኡን ንሱን ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ብሩርን ወርቅን ዝተፈላለዩ ኣቑሑን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ። ኣሳ ኻብ ዝነግስ ክሳዕ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ኣብቲ ሃገር ውግእ ኣይነበረን። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሽዱሽተን ዓመቱ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ወፀ፤ ናብ ንጉስ ይሁዳ ናብ ኣሳ ዝኾነ ሰብ ከይኣቱን ከይወፅእን ከዓ ንራማ ዓረዳ። ሽዑ ኣሳ ኻብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን ብሩርን ወርቅን ወሲዱ፥ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነብር ዝነበረ ንወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ፤ “ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ቃል ኪዳን ከም ዝነበረ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻንውን ኪዳን ይሃሉ። እንሆ፥ ብሩርን ወርቅን እሰደልካ ኣለኹ እሞ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ካብ ምድረይ ምእንቲ ኽወፅእስ፥ ነቲ ምስኡ ዝኣተኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ” ኢሉ ለኣኸ። ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ። ኣሕሉቕ ሰራዊቱውን ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ። ንዒዮንን ንዳንን ንኣቤልማይምን ንዅለን ናይ ንፍታሌም ከተማታት መዛግብትን ድማ ወቕዕወን። ባኦስ ንጉስ እስራኤል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ሓደገ፤ ነቲ ስራሕውን ኣቋረፆ። ሽዑ ንጉስ ኣሳ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ኣኪቡ ነቲ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ንራማ ኽዕርደሉ ኢሉ ኣኪብዎ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕፃውን ወሰደ፤ ብእኡ ገይሩውን ንጌባን ንሚፅጳን ዓረደን። በታ ጊዜ እቲኣ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መፂኡ፦ “ክንዲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ፥ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ ዝተኣማመንካ፥ ሰራዊት ንጉስ እስራኤል ካብ ኢድካ ኣምሊጡ ኣሎ። ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ዝነበርዎም ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን? ኣብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተኣማመንካ ግና፥ ንኣኣቶም ኣሕሊፉ ኣብ ኢድካ ሃበካ። ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝፅግዑ ምእንቲ ኸፅንዖም፥ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሉ ምድሪ እዩ ዝርኢ። በዙይስ ስንፍና ኢኻ ዝገበርካ፤ ስለዙይ ድማ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ ውግእ ክለዓለካ እዩ” በሎ። ኣሳ ግና በዝ ነገር እዙይ ኰርዩ ነቲ ረኣዪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። በቲ ጊዜ እቱይ ካብቶም ህዝቢ ንብዙሓት ሰባት ክገፍዖም ጀመረ። እንሆ ድማ፥ ግብርታት ኣሳ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ። ኣሳ ኸዓ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሓመመ፤ የመና ኸዓ ፀንዖ። ንሱ ግና ኽንዲ ናብ እግዚኣብሄር ዝልምን ናብ ሰብ መድሓኒት ከደ። ኣሳ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደን ዓመት መንግስቱ ሞተ፤ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንባዕሉ ዘውቀሮ መቓብር ከዓ ቐበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ድማ ብብልሓት ገባሪ ሽቱ ዝተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን ዝተፈላለየ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልአ ዓራትውን ኣንበርዎ። ዓብዪ ዝኾነ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ገበሩሉ። ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሳ ኸዓ ኽንዲ ኣቦኡ ነገሰ። ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያንውን ሓይሉ ኣጠናኸረ። ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓሻኽር፥ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሓዘን ከተማታት ኤፍሬምን ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ኢዮሳፍጥ ድማ በተን ቀዳሞት ዓመታት ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝነበሮ ኸምኡ ስለ ዝነበረን፥ ንጣዖታት በዓልውን ስለ ዘየምለኸን፥ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ። ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ኣገልገለ፤ ብትእዛዛቱ ኸዓ ኸደ እምበር፥ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይገበረን። ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመንግስቲ ይሁዳ ኣብ ኢዱ ኣፅንዓ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኢዮሳፍጥ ገፀ በረኸት ሃቡዎ፤ ሃብትን ክብረትን ከዓ በዝሐሉ። ልቡውን ብመንገዲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል በለ፤ ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ ዀረብታታትን ንምስሊ ጣዖት ኣስታሮትንውን ካብ ይሁዳ ኣወገዶ። ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ ኸዓ ንቤንሓይልን ኣብድያስን ዘካርያስን ናትናኤልን ሚክያስ ንዝበሃሉ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኽምህሩ ሰደዶም። ምስኣቶም ድማ እቶም ሌዋውያን፥ ሸማያ፥ ነታንያ፥ ዝባድያ፥ ኣሳሄል፥ ሰሚራሞት፥ ዮናትን፥ ኣዶንያስ፥ ጦብያ፥ ጦባዶንያን ነበሩ። ምስኣቶምውን እቶም ካህናት ኤሊሳማን ኢዮራምን ነበሩ። ንሳቶም መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም፥ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ እናዞሩ፥ ነቲ ህዝቢ ይምህርዎ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ዅለን እተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ መንግስታት ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ፍርሓት ስለ ዝወረደ ምስ ኢዮሳፍጥ ኣይተዋግኣን። ገሊኣቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኢዮሳፍጥ ብሩርን ካልእ ውህብቶን የምፅኡሉ ነበሩ፤ ዓረባውያን ድማ ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ማጓሉ፥ ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን መኻኽቲ የምፅኡሉ ነበሩ። ኢዮሳፍጥ ከዓ የመና እናሓየለን እናገነነን ከደ፤ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ስንቂ ዝእክበለን ከተማታትን ሰርሐ። ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ብዙሕ ስንቂ ሰራዊት ኣከበ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሓያላት ተዋጋእቲ ሰባት ነበርዎ። ቍፅሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከምዙይ ነበረ፦ ዓድና፥ ሓለቓ ናይቶም ካብ ይሁዳ ዝመፁ ሓሻኽር ነበረ፤ ኣብ ትሕቲኡ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ብርቱዓት ወታደራት ነበርዎ። ኣብ ትሕቲኡ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ኸዓ ይሆሓናን ነበረ፤ ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ብድሕሪኡ ሳልሳይ ዓማስያ ወዲ ዝክሪ ነበረ፤ ንሱ ድማ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። ዓማስያ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ርእሱ ዝወፈየ እዩ። ካብ ነገድ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤሊዳሄ፥ ቀስትን ዋልታን ዝሓዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። ኣብ ትሕቲኡ ድማ ዮዛባት፥ ንውግእ ዝተዳለዉ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። እዚኣቶም ንንጉስ ዘገልግልዎ ዝነበሩ እዮም፤ ብዘይ ንሳቶም ከዓ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ናይ ይሁዳ ዘቐመጦም ወታደራት ንንጉስ የገልግሉ ነበሩ። ኢዮሳፍጥ ድማ ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ምስ ኣክኣብ ከዓ መውስቦ ገበረ። ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ከዓ ንኣክኣብ ክሪኦ ናብ ሰማርያ ወረደ። ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ሓረደሎም። ምስኡውን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክኸይድ ሓባበሎ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ እየ፤ ህዝበይ ከዓ ኸም ህዝብኻ እዩ፤ ናብቲ ውግእውን ምሳኻ ኽንከይድ ኢና” ኢሉ መለሰሉ። ኢዮሳፍጥ መሊሱ “ኣቐዲምካ ግና ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ እልምነካ ኣለኹ” በሎ። ሽዑ ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ነቢያት ኣኪቡ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ንውግእ ክንከይድዶ ወይ ክንተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ናብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩሞ ደይብ” በልዎ። ንጉስ ይሁዳ ኢዮሳፍጥ ከዓ “ክንጥይቖ እንኽእል ካልእ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ። ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቐሉ እንኽእል ካልእ ሰብ እባ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ሚክያስ ወዲ ዪምላ እዩ። ግና ንሱ ንኣይ ኵልሻዕ ክፉእ እምበር፥ ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ግና “ኣይፋልካን ንጉስ፥ ከምኡ ኣይትበል” በሎ። ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ፀዊዑ “ንሚክያስ ወዲ ይምላ ቐልጢፍካ ኣምፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ። ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ልብሰ መንግስቶም ለቢሶም ኣብ ዘዙፋኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ። ሓደ ኻብኣቶም ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተነበየ። ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ኽህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ። እቲ ንሚክያስ ኽፅውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከዓ “እንሆ፥ እቶም ነቢያት ከም ሓደ ኣፍ ኮይኖም ነቲ ንጉስ ፅቡቕ ይንበዩሉ ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ኸምቲ ናታቶም ፅቡቕ ተነበ” በሎ። ሚክያስ ግና “እቲ ኣምላኸይ ዝበለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በለ። ናብ ንጉስ ኣክኣብ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ሚክያስ! ንሬማት ዘገለዓድ ከይድናዶ ኽንወግኣ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ሚክያስ “ኪዱ ደኣ፥ ክቐንዐኩም እዩ፤ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ” በሎ። እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር ካልእ ከይትዛረበኒ፥ ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ። ነቢይ ሚክያስ ከዓ “ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ እምባታት ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ ” በለ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ፥ “እዙይ ንኣይ ክፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩንዶ ኣይበልኩኻን?” በሎ። ሚክያስ ድማ ኸምዙይ በለ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም መላእኽቲ ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ። እግዚኣብሄር ድማ ‘ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ኽዋጋእ እሞ ኣብኣ ኽመውትስ፥ መን የጋግዮ?’ በለ፤ ሽዑ ሓደ ኸምዙይ በለ፤ ሓደ ድማ ኸምቱይ በለ። ሽዑ ሓደ መንፈስ ወፀ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ ‘ኣነ ኸጋግዮ እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ። “ንሱ ድማ ‘ወፂአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንስኻስ ክተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ ኼድካ ኸምኡ ግበር’ በሎ። “ሕዚ ድማ፥ እንሆ፥ ኣብ ኣፍ እዞም ኵሎም ነቢያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ጥፍኣት ኣዚዙ ኣሎ።” ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ንኣይ ከመይ ሓሊፉ እዩ ብኣኻ ዝዛረብ?” በሎ። ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በቲ ጊዜ ውግእ ናብ ውሻጠ እትሕብአላ መዓልቲ ሽዑ ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ። ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንሚክያስ ሒዝኩም ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብቲ ወዲ ንጉስ ኢዮኣስን ውሰድዎ። ‘ኣነ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ነዝ ሰብኣይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፤ እንጀራ መከራን ማይ መከራን ከዓ ሃብዎ፤ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ። ነቢይ ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንድሕር ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ኸዓ “ኣቱም ህዝቢ፥ ኵልኻትኩም ስምዑኒ” በለ። ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኡ ደየቡ። ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ኣነ ኻልእ ሰብ መሲለ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፤ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ልበስ” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ኻልእ ሰብ መሲሉ ናብ ውግእ ኣተወ። ንጉስ ሶርያ ኸዓ ነቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ምስ ንእሽተይ ኮነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዙዎም ነበረ። እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ኸበብዎ ኢዮሳፍጥ ግና ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ኸድሕኖ ኢሉ ንፀላእቱ ኻብኡ መለሶም። እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ከዓ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረአዩ፥ ንእኡ ኻብ ምስጓጕ ተመለሱ። ግና ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትረድ ኢሉ ፍላፃ ሰደደ እሞ፥ ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። እቲ ንጉስ ሽዑ ነቲ መራሒ ሰረገላኡ “ተወጊአ እየ እሞ ተመለስ፤ ካብዝ ውግእ እዙይ ኣውፅአኒ” በሎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ኸዓ ሞተ። ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። ኢዩ ወዲ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ኸዓ ኽራኸቦ ወፀ፦ “ንንጉስ ኢዮሳፍጥ ከዓ፥ ነቲ ከሓዲዶ ትሕግዝ ኣለኻ ወይ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፀልእዎ ኽትፈትዎም ግቡእዶ ይመስለካ? በዝ ነገር እዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። ግና ንጣዖት ኣስታሮት ኻብዛ ምድሪ ስለ ዘወገድካን፥ ንእግዚኣብሄር ክትስዕብ ልብኻ ስለ ዘዳለኻን፥ ፅቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ” ድማ በሎ። ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ግና በብእዋኑ ኻብ ደቡብ፥ ማለት ካብ ቤርሳቤህ ጀሚሩ ኽሳዕ ሰሜን፥ ክሳዕ ዝባውንቲ ኤፍሬም ናብ ማእኸል ህዝቢ እናወፀ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከም ዝምለሱ ይገብር ነበረ። ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታት ሃገር ይሁዳ ድማ ፈረድቲ ሸመ። ነቶም ፈረድቲ “ብዅሉ እትፈርድዎ ተጠንቀቑ፤ ክትፈርዱ እንተለኹም ምሳኻትኩም ንዘሎ ንእግዚኣብሄር ኢልኩም እምበር ንሰብ ኢልኩም ኣይኮነን። እምበኣርከስ ፍርሓት እግዚኣብሄር ይሃሉኹም። ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዓመፅን፥ ገፅ ርኢኻ ምድላውን፥ ጉቦ ምቕባልን የለንሞ ተጠንቂቕኩም ፍረዱ” በሎም። ኢዮሳፍጥ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ሕጊ እግዚኣብሄር ክጠሓስ እንተሎን፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ባእሲ ኽልዓል እንተሎን፥ ምእንቲ ኽፈርዱ፥ ካብ ሌዋውያንን ካህናትን፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ፈረድቲ ሸመ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ይቕመጡ ነበሩ። ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም፦ “ከምኡ ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ብቕንዕናን ብፍፁም ልብን ግበሩ። ካብቶም ኣብ ዝኾነ ኸተማታቶም ዝነብሩ ኣሕዋትኩም ኣብ መንጎ ደምን ደምን፥ ኣብ መንጎ ሕግን ትእዛዝን፥ ስርዓትን ፍርድን፥ ነገር ናባኻትኩም እንተ መፀ፥ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን ቍጥዓ ኸይመፅእ ኣጠንቅቕዎም። ከምኡ እንተ ጌርኩም፥ በደልቲ ኣይትኾኑን ኢኹም። “እንሆ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ብዝምልከት ኵሉ ነገር እቲ ሊቀ ካህናት ኣማርያ፥ ንንጉስ ብዝምልከት ኵሉ ነገር ከዓ እቲ ሓለቓ ነገድ ይሁዳ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ኣብ ልዕሌኹም ተሸይሞም ኣለዉ። እቶም ሌዋውያን ድማ መራሕቲ ኾይኖም የገልግሉኹም ኣለዉ። ፅኑዓት ኩኑ፤ ብዘይ ፍርሓት ስርሑ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ገባሪ ፅቡቕ ይኹን።” ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪዙይ ደቂ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ምስኣቶም ድማ ገሊኣቶም ካብቶም መዑናውያን ንኢዮሳፍጥ ክዋግእዎ መፁ። ንኢዮሳፍጥ ከዓ “ካብ ማዕዶ ባሕሪ ጨው፥ ካብ ኤዶምያስ ብዙሕ ሰራዊት ይመፀካ ኣሎ፤ እኒሀዉ ድማ ኣብ ባሕሪ ጨው ሽዑ ኢዮሳፍጥ ፈርሐ እሞ ንእግዚኣብሄር ክደሊ ገፁ መለሰ፤ ኣብ ኵሉ ይሁዳውን ፆም ኣወጀ። ይሁዳ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ረድኤት ክደሊ ተኣከበ፤ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ክደልዩ መፁ። ንጉስ ኢዮሳፍጥ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ካብ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ዝተኣከቡ ህዝቢ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ዓፀድ ደው በለ። የለን። ኣይኮንካን? መቕደስ ሰርሑ። ከምዙይ ከዓ በሉ፦ ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና፤ ንስኻ ኸዓ ሰሚዕኻ ኽተድሕነና ኢኻ።’ ንሳቶም ዝመልሱልና ሞሳ ግና እንሆ ኻብዛ ዘውረስካና ርስቲ ኸውፅኡና ይመፁ ኣለዉ። ከዓ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ግና ኣዒንትና ናባኻ እየን።” ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ምስ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ነበሩ። ሽዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ህዝቢ ዝነበረ የሕዚኤል ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ በናያስ፥ ወዲ የዒኤል፥ ወዲ ማታንያ፥ እቲ ሌዋዊ ካብ ደቂ ኣሳፍ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ። ንሱ ድማ፦ “ኣቱም ሰብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ንስኻ ኢዮሳፍጥውን ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለኩም ኣሎ፦ ‘እቲ ውግእ ናተይ እዩ እምበር፥ ናታትኩም ኣይኮነን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን። ፅባሕ ተዋግእዎም፤ እንሆ በቲ ዓቐበት ፂፅ ይድይቡ ኣለዉ፤ ኣብ ወሰን እቲ ናብ ምድረ በዳ ይሩኤል ዘእቱ ለሰ ኽትረኽብዎም ኢኹም። ኣብዝ ውግእ እዙይ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዋግኡ፤ ጥራሕ ቦታኹም ሒዝኩም ቁሙ፤ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ምድሓን ከዓ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን፥ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን፤ ፅባሕ ናብ ቅድሚኣቶም ውፁ፤ ኣነ ድማ ምሳኻትኩም ክኸውን እየ’ ” በሎም። ሽዑ ኢዮሳፍጥ ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ዝነበሩንውን ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ። እቶም ሌዋውያን፥ ቀሃታውያንን ቆራሓውያንን ድማ ተሲኦም፥ የመና ዓው ብዝበለ ድምፂ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ። እቶም ህዝቢ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ናብ ምድረ በዳ ቴቁሔ ወፁ። ክወፁ እንተለዉ ድማ ኢዮሳፍጥ ደው ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን ስምዑኒ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ፅኑዓት ክትኮኑ ኢኹም፤ ብነቢያቱውን እመኑ እሞ ኽቐንዐኩም እዩ።” እናበሉ ዝውድስዎ ሰባት ኣቖመ። ክዝምሩን ክውድሱን ምስ ጀመሩ ኸዓ፥ ነቶም ምስ ይሁዳ ኽዋግኡ ኢሎም ዝመፁ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን፥ ነቶም ሰብ እምባ ሴይርን፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ሕቡእ ተዋጋእቲ ኣምፅአሎም፤ ንሳቶምውን ተስዓሩ። እቶም ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ነቶም ኣብ እምባ ሴይር ዝነብሩ ፈፂሞም ንኽቐትልዎምን ንኸጥፍእዎምን ተልዒሎምዎም ነበሩ፤ ነቶም ኣብ ሴይር ዝነበሩ ምስ ኣጥፍኡዎም ድማ ንስንሳቶም ሓደ ንብፃዩ ንምጥፋእ ተሓጋገዙ። ሰራዊት ይሁዳ ድማ ናብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበረ ግንቢ ሓለውቲ ምስ መፁ፥ ናብቲ ህዝቢ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ኸዓ ንዅሉ ምድሪ ሬሳ መሊእዎ ነበረ፤ ዘምለጠ ሰብውን ኣይነበረን። ኢዮሳፍጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ክገፉ ምስ መፁ ኸዓ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፥ ገንዘብን ክቡር ኣቕሓን ረኸቡ፤ ምፅዋሩ ኽሳዕ ዝስእኑ፥ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፥ ሰለስተ መዓልቲ ኽገፍዎ ፀንሑ። በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ለሰ በረኸት ተኣከቡ። ኣብኣ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ባረኽዎ። ስለዙይ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ በረኸት ትበሃል ኣላ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ኣሐጕሱዎም ስለ ዘነበረ፥ ኵሎም ሰራዊት ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንጉስ ኢዮሳፍጥ መሪሕዎም፥ ብሓጐስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ኸዓ ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተዉ። ኵሎም መንግስታት ሃገራት ከዓ እግዚኣብሄር ንፀላእቲ እስራኤል ከመይ ገይሩ ኸም ዝሰዓሮም ሰምዑ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወደቐ። መንግስቲ ኢዮሳፍጥ ከዓ ህድኣት ረኸበት፤ እግዚኣብሄር ድማ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሃቦ። ኢዮሳፍጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዓዙባ እትበሃል ጓል ሺልሒ ነበረት። ብመንገዲ ኣቦኡ ኣሳ ድማ ኸደ፤ ካብኡውን ኣይረሓቐን፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ገበረ። ግና ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ኣየወገዶን ነበረ። እቶም ህዝቢ እውን ገና ብምሉእ ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣይተመለሱን ነበሩ። እቲ ዝተረፈ ኢዮሳፍጥ ዝገበሮ፥ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብቲ ኣብ መፅሓፍ ነገስታት እስራኤል ዘሎ ታሪኽ ኢዩ ወዲ ሓናኒ ተፅሒፉ ኣሎ። ድሕሪዙይ ግና ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ኽፉእ ዝግብሩ ኣካዝያስ ንጉስ እስራኤል ተሓባበረ። ክልቲኦም ድማ ናብ ተርሴስ ዝኸዳ መራኽብ ከስርሑ ተሓባበሩ፤ መራኽብ ድማ ኣብ ዔፅዩንጋብር ኣስርሑ። ሽዑ ኣልኣዛር ወዲ ዶዳያ፥ በዓል መሪሳም፥ ኣብ ልዕሊ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ምስ ኣካዝያስ ንጉስ እስራኤል ስለ ዝሓበርካ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ስራሕኻ ኸፍርሶ እዩ” ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከዓ ተሰብራ፤ ናብ ተርሴስ ክኸዳውን ኣይከኣላን። ኢዮሳፍጥ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ምስ ኣቦታቱ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮራም ነገሰ። ኢዮራም ከዓ ኣዛርያስ፥ ይሒኤል፥ ዘካርያስ፥ ዔዛርያስ፥ ሚካኤል፥ ሰፋጥያስ ዝበሃሉ ኣሕዋት ነበርዎ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ነበሩ። ኣቦኣቶም ድማ ብዙሕ ውህብቶ ብሩርን ወርቅን ክቡር ዝኾነ ነገርን፥ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ዕሩዳት ከተማታት ንነፍሲ ወከፎም ሓንቲ ሓንቲ ሃቦም። ንኢዮራም ግና በዅሪ ወዱ ስለ ዝነበረ ነቲ መንግስቲ ሃቦ። ኢዮራም ከዓ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ደዪቡ ምስ ተደላደለ፥ ንዅሎም ኣሕዋቱን ንገሊኣቶም ካብ ኣሕሉቕ እስራኤልን ብሰይፊ ቐተሎም። ኢዮራም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። ግና፥ ሰበይቱ ጓል ኣክኣብ ነበረት፤ ስለዙይ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበርዎ፥ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ብምኻድ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። እግዚኣብሄር ግና፥ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳንን፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኸም ዝህቦም ዘተስፈዎ፥ ነታ ቤት ዳዊት ከጥፍኣ ኣይደለየን። ብዘመን ኢዮራም ህዝቢ ኤዶምያስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ይሁዳ ዓመፁ፤ ንጉሶም ድማ ኣንገሱ። ሽዑ ኢዮራም ምስ ኣሕሉቑን ሰረገላታቱን ንኤዶማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ንሳቶም ድማ ኸበብዎ። ንሱን ሰራዊቱን ግና ብለይቲ ነቶም ዝኸበብዎም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ወቕዖም። ስለዙይ ኤዶምያስ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ክሳዕ ሕዚ ዓመፀት፤ በቲ ጊዜቱይ ኢዮራም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሓደገ፥ ልብናውን ኣብ ልዕሊኡ ዓመፀት። ንሱ መሊሱ ኣብ እምባታት ይሁዳ መስገዲታት ሰርሐ። ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡውን ከም ዘመንዝሩ ገበሮም፤ ንይሁዳውን ኣስሓቶ። ካብ ነቢይ ኤልያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ፅሑፍ መፆ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ኣሰር ኣቦኻ ንጉስ ኢዮሳፍጥ ኮነ ኣሰር ኣቦሓጐኻ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ስለ ዘይሰዓብካ፥ ግና ኣሰር ነገስታት እስራኤል ስለ ዝሰዓብካ፥ ከምቲ ንጉስ ኣክኣብን ብድሕሪኡ ዝነገሱን ንህዝቢ እስራኤል ከም ዘመንዝሩ ዝገበርዎም፥ ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ብኣመንዝራነት ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዘስሓትካዮም፥ ነቶም ካባኻ ዝሐሹ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንዅሉ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕሰፍቲ ኽቐስፎም እዩ። ንስኻ ድማ ካብ ፅንዓት እቲ ሕማም ዝተልዓለ ኣምዑትካ በብጊዜኡ ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ብብርቱዕ ሕማም ኣምዑት ክትውቃዕ ኢኻ።” እግዚኣብሄር ድማ መንፈስ ፍልስጥኤማውያንን መንፈስ እቶም ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያውያን ዝነብሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ ኢዮራም ኣለዓዓለ። ንሳቶም ድማ ደዪቦም ንይሁዳ ኣፍረስዋ፤ ንዅሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንዝተረኽበ ገንዘብውን ዘመቱ፤ ነንስቱ ድማ ወሰድወን። እንትርፊ እቲ ኻብ ኵሎም ደቁ ዝነኣሰ ኣካዝያስ፥ ዝኾነ ወዲ ኣይተረፎን። ድሕሪ ዅሉ እዙይ ድማ፥ እግዚኣብሄር ብዘይፍወስ ሕማም ኣምዑት ወቕዖ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኸምዙይ ኮነ፤ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ካብቲ ደዌ ፅንዓት ዝተልዓለ፥ ኣምዑቱ ወፀ፤ ብኽፉእ ደዌውን ሞተ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ኸምቲ ነቦታቱ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ቀብሪ ወግዒ ኣይገበረሉን። ንሱ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። ብሞቱ ዝጐሃየ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ፤ ግና ኣብቲ ነገስታት ዝቕበሩሉ ኣይተቐበረን። ናብቲ ሰፈር ዝመፁ ጭፍራ ዓረባውያንን ኣሊማዞን ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ደቂ ንጉስ ኢዮራም ቀተልዎም። እቲ ንእሽተይ ወዱ ኣካዝያስ ግና ደሓነ። ስለዙይ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ንኣካዝያስ ክንዲ ኣቦኡ ኣንገስዎ። ኣካዝያስ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ጎቶልያ እትበሃል ጓል ዘንበሪ ነበረት። እኖኡ ኽፉእ ንኽገብር ትመኽሮ ስለ ዝነበረት፥ ንሱ ብመንገዲ ቤት ኣክኣብ ከደ። ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፥ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ፥ መኸርቱ ኸዓ ኣብ ውድቀት ኣብፅሕዎ። ምኽሮም ሰሚዑ ኸዓ ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ፥ ንጉስ እስራኤል ኮይኑ፥ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንኢዮራም ኣቝሰልዎ። ሽዑ ኢዮራም ነቲ ኣብ ኣርማቴም ዝወግእዎ ቝስሊ፥ ኣብ ኢይዝራኤል ክሕከም ተመለሰ። ኣካዝያስ ወዲ ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ ድማ፥ ንኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ክሪኦ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ። ኣካዝያስ ናብ ኢዮራም ብምምፃኡ ምእንቲ ኽጠፍእ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ነበረ፤ ናብኡ ምስ ከደ፥ ምስ ኢዮራም ኮይኑ ነቲ ንቤት ኣክኣብ ከጥፍኣ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢዩ ወዲ ናሜሲ ክራኸቦ ወፀ። ኢዩ ንቤት ኣክኣብ ፍርዲ ኽፍፅም እንተሎ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ይሁዳን፥ ነቶም ንኣካዝያስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋቱን፥ ረኸቦም እሞ ቐተሎም። ንኣካዝያስ ከዓ ደለይዎ፤ ኣብ ሰማርያ ተሓቢኡ ምስ ረኸብዎ ድማ ሒዞም ናብ ኢዩ ኣምፅእዎ እሞ ቐተልዎ። ንሳቶም “እዙይስ ወዲ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቡ ዘገልገሎ ኢዮሳፍጥ እዩ” ኢሎም ቀበርዎ። ድሕሪዙይ ካብ ቤት ኣካዝያስ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ ዝኸኣለ ኣይነበረን። እኖ ኣካዝያስ ጎቶልያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ፈለጠት፥ ንዅሎም ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍአቶም። ኣካዝያስ ዮሳቤት እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ፤ ንሳ ጓል ንጉስ ኢዮራም ሰበይቲ ኻህን ዮዳሄ ነበረት። ካብ ማእኸል እቶም ክቕተሉ ዘለዎም ደቂ ንጉስ ኣካዝያስ ንኢዮኣስ ምስ መጕዚቱ ናብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ኽፍሊ መደቀሲ ኣእትያ ሓብአቶ። ከምዙይ ገይራ ሓቢኣ ድማ ኻብ ኢድ ጎቶልያ ኣድሓነቶ። ኣብኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተሓቢኡ ድማ ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ጎቶልያ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ነጊሳ ነበረት። በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ዮዳሄ ተብዐ እሞ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ ንኣዛርያስ ወዲ ይሮሓምን ንይስማኤል ወዲ ይሆሓናን ንኣዛርያስ ወዲ ዖቤድን ንመዕሴያ ወዲ ዓዳያን ንኤሊሳፋጥ ወዲ ዝክሪን ወሲዱ ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ኣብ ይሁዳ እናዞሩ ድማ ኻብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣከብዎም፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ መፁ። ዮዳሄ ድማ “እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ዝተዛረቦ ኽነግስ ዝግብኦ እዝ ወዲ ንጉስ እዙይ እዩ” ኢሉ ተዛረቦም። “እቲ እትገብርዎ ነገር እዙይ እዩ፤ ኣቱም ብሰንበት ኣብ ስራሕኹም እትኣትዉ፥ ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ሲሶ ኣፍ ደገታት ሓልዉ። ሲሶ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሓልዉ፤ ሲሶኹምውን ኣብ ማእኸላይ በሪ ኹኑ። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ይኹን። ግና ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ካህናትን እቶም ዘገልግሉ ሌዋውያንን እምበር፥ ካልእ ኣይእቶ። ንሳቶም ቅዱሳን እዮም እሞ ይእተዉ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሓሉ። እቶም ሌዋውያን ድማ ኣፅዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፥ ነቲ ንጉስ ከቢቦም ይሓልውዎ። ኵሉ ናብታ ቤት ዝኣቱ ኸዓ ይቀተል። እቲ ንጉስ ክኣቱን ክወፅእን እንተሎ ድማ ምስኡ ኹኑ።” ዮዳሄ፥ ነቶም ክሰርሑ ዝሓደሩ ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፥ እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ይሁዳን፥ ከምቲ ዅሉ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ናብ ስራሕ ዝኣትዉ ምስቶም ብሰንበት ካብ ስራሕ ዝወፁ ገይሮም፥ ሰሰቦም ይወስዱ ነበሩ። ዮዳሄ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝፀንሐ፥ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናታትን ዋላቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ሃቦም። ንነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ኣትሒዙ፥ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጋማይ ወገና ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቖሞም። ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኦም ዘውዲ ደፍኡሉ፤ መፅሓፍ ኪዳንውን ሃብዎ እሞ ኣንገስዎ። ዮዳሄን ደቁን ከዓ ቐብእዎ፤ ዓው ኢሎም ድማ “ንጉስ ሺሕ ዓመት ይንገስ” በሉ። ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም እናጐየዩ ነቲ ንጉስ ዝውድስዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዐት፥ ናብቶም ህዝቢ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መፀት። እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ኣብቲ ስፍራ ነገስታት፥ ጥቓ እቲ ዓምዲ ደው ኢሉ ነበረ። እቶም ኣሕሉቕን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ከዓ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። እቶም መዘምራንውን ብመሳርሒ ሙዚቃ መዝሙር ምስጋና ይዝምሩ ነበሩ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት። ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ኢሉ ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም። ሽዑ ሒዞም ናብ ቤተ መንግስቲ ወሰድዋ፤ ኣብቲ ደገ ኣፍራስ ክትበፅሕ እንተላ ኸዓ ቐተልዋ። ዮዳሄ ድማ ንሱን እቶም ህዝብን እቲ ንጉስን እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ ኺዳን ኣቖመ። ብምሉኦም እቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዎ፤ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ። ንናይ በዓል ካህን ንማታን ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሓረድዎ። ዮዳሄ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣብ ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ መደቦም። ንሳቶም ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ክፍፅሙን፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ መስዋእቲ ኸቕርቡን፥ ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ድማ ብሓጐስን ብመዝሙርን ከገልግሉን፥ ተመዲቦም ነበሩ። ብዝኾነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱ፥ ኣብተን ደገታት ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣቖመ። ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ነቶም ክቡራት ሰባትን፥ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝብን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን ወሰደ፤ ነቲ ንጉስ ድማ ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረዶ፤ በታ ላዕለወይቲ በሪ ድማ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእተውዎ፤ ነቲ ንጉስውን ኣብ ዙፋን ኣቐመጥዎ። ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ተሓጐሱ፤ ጎቶልያ ብሰይፊ ስለ ዝተቐትለት ድማ እታ ኸተማ ሃድአት። ኢዮኣስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሳብያ እትበሃል በዓልቲ ቤርሳቤህ ነበረት። ዮዳሄ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ኢዮኣስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ ገበረ። ዮዳሄ ንንጉስ ኢዮኣስ ክልተ ኣንስቲ ኣምፅአሉ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳሉ። ድሕሪ ቑሩብ እዋን ከዓ፥ ኢዮኣስ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ክሕድሳ ሓሰበ። ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ድማ “ናብተን ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፥ ነቲ ዓመት ዓመት ዝግበር ምሕዳስ ቤት ኣምላኽኩም ዝኸውን ገንዘብ ካብ ኵሉ እስራኤል ኣክቡ፤ እዙይ ቀልጢፍኩም ግበርዎ” በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ሸለል በሉ። ደቂ እታ ኸሓዲት ዝኾነት ጎቶልያ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣፍሪሶምዋ ነበሩሞ፤ ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ ቅዱስ ኣቑሑውን ንኣምልኾ በዓል ሂቦምዎ ነበሩሞ። ስለዙይ እቲ ንጉስ፥ ሓደ ሳፁን ሰሪሖም ኣብ ወፃኢ፥ ኣብ ጥቓ ቤት እግዚኣብሄር ከቐምጥዎ ኣዘዘ። እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ዝወሰነሎም ግብሪ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከእትውዎ ድማ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣወጁ። ኵሎም ኣሕሉቕን ኵሎም ህዝብን ከዓ ተሓጕሶም ገንዘብ ኣምፅኡ፤ እቲ ሳፁን ክሳዕ ዝመልእ ከዓ ኣእተዉ። እቲ ሳፁን ብኢድ እቶም ሌዋውያን ናብ ሹመኛታት ንጉስ ምስ በፅሐን፥ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘለዎውን ምስ ረአዩ፥ እቲ ናይ ንጉስ ፀሓፍን እቲ ናይ ሊቀ ካህናት ሹምን ከዓ እናመፁ ነቲ ገንዘብ ካብቲ ሳፁን የውፅእዎ ነበሩ። ነቲ ሳፁን ድማ ናብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ። ከምዙይ ገይሮም ከዓ በብመዓልቱ ብዙሕ ገንዘብ ኣከቡ። ንጉስ ኢዮኣስን ካህን ዮዳሄን ድማ ነዝ ገንዘብ እዙይ ነቶም ነቲ ስራሕ ምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሃብዎም። ንሳቶም ከዓ ንምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ወቐርትን ፀረብትን፥ ንምፅጋን እታ ቤት እግዚኣብሄር ብሓፂንን ብነሃስን ዝሰርሑ ሰባት ይገዝኡሉ ነበሩ። እቶም ሰራሕቲ ኸዓ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ነበሩ። እቲ ዝፈረሰውን ብኢዶም ተሓደሰ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ከምታ ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐርዮም ኣፅንዕዋ። ምስ ወድኡ ድማ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ንጉስ ኢዮኣስን ካህን ዮዳሄን ኣምፅእዎ፤ ካብኡ ድማ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን፥ ኣቑሑ ንኣገልግሎትን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ውንጭሕትታትን ጭልፋታትን ካልእ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ገበሩ። ዮዳሄ ኽሳዕ ዘሎ ኸዓ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። ዮዳሄ ግና ሸምገለ፤ ዕድመ ፀጊቡ ድማ ሞተ። ንሱ ኽመውት እንተሎ፥ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ። ኣብ እስራኤል ንእግዚኣብሄርን ነታ ቤቱን ፅቡቕ ስለ ዝገበረ ድማ፥ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ድሕሪ ሞት ዮዳሄ ግና እቶም ኣሕሉቕ ይሁዳ መፂኦም ንንጉስ ኢዮኣስ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ፥ ሽዑ እቲ ንጉስ ሰምዖም። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ድማ ንሓወልቲ ኣስታሮትን ንጣዖታትን ኣምለኹ። በዝ በደሎም እዙይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ ወረደ። እግዚኣብሄር፥ ናብኡ ምእንቲ ኽመልስዎም ኢሉ ነቢያት ሰደደሎም፤ ንሳቶምውን ይግስፅዎ ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይሰምዕዎምን። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ዘካርያስ ወዲ ዮዳሄ መፀ፥ ንሱውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ኢሉ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? ሰናይ ኣይኾነልኩምን እዩ። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝሓደግኩም ንሱ ኸዓ ሓዲጉኩም እዩ” በሎም። ንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ዮዳሄ ኣቦ ዘካርያስ ዝገበረሉ ሰናይ ረስዖ፤ ንወዱ ዘካርያስ ድማ ኣቕተሎ። ዘካርያስ ግና ኽመውት እንተሎ “ነዝ እትገብሮ ዘለኻስ እግዚኣብሄር ይርአዮ፤ ንሱውን ይፍረድ” በሎ። ዓመቱ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ሰራዊት ሶርያ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ወረርወን። ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ እውን ቐተልዎም። ንዅሉ እቲ ዝማረኽዎ ድማ ናብ ንጉሶም ናብ ደማስቆ ሰደድዎ። ሰራዊት ሶርያ ውሑዳት ጭፍራ ነበሩ፤ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ስለ ዝነበሩ ግና እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ብዙሕ ሰራዊት ይሁዳ ዓወት ሃቦም። ብኸምዙይ ከዓ ኢዮኣስ ተቐፅዐ። ሰራዊት ሶርያ ንዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ንጉስ ኢዮኣስ ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ነበረ። ንጉስ ኢዮኣስ ንዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮዳሄ ስለ ዝቐተሎ ድማ፥ ክልተ ኻብ ሓሻኽሩ ሕነ ኽፈድዩ ተመሓሓሉሉ እሞ ኣብ ዓራቱ እንተሎ ቐተልዎ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ግና ኣብቲ ነገስታት ዝቕበሩሉ ኣይቀበርዎን። እቶም ዝተመሓሓሉሉ ድማ ዛባድ ወዲ ሰምዓት ኣሞናዊትን ዮዛባት ወዲ ሰማሪት ሞኣባዊትን ነበሩ። ብዛዕባ ደቁን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዘርበ ብዙሕ ትንቢታትን፥ ብዛዕባ ነቲ ቤተ መቕደስ ከመይ ገይሩ ኸም ዘሐደሶ ዝትርኽ ፅሑፍን፥ ኣብቲ ብዛዕባ ትርጓሜ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝትርኽ መፅሓፍ ተፅሒፉ ኣሎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሜስያስ ነገሰ። ኣሜስያስ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዮዓዳን እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፤ ግና ብምሉእ ልቡ ኣይኮነን። እታ መንግስቱ ምስ ፀንዐትሉ፥ ነቶም ነቦኡ ነቲ ንጉስ ዝቐተሉ ሓሻኽር ቀተሎም። ግና ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ፥ ተፅሒፉ ዘሎ፥ “ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይቀተል እምበር፥ ኣቦታት ብሰንኪ ደቆም ኣይቀተሉ፤ ደቂውን ብሰንኪ ኣቦታቶም ኣይቀተሉ” ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፥ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን። ኣሜስያስ ንህዝቢ ይሁዳን ብንያምን በብማይ ቤት ኣቦታቶም ኣኪቡ ኣብ ትሕቲ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘፀሮም፤ ኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ረኸበ። ብሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩር ገይሩ፥ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ብገንዘብ ቈፀረ። ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና ናብ ኣሜስያስ መፂኡ፥ “ኦ ንጉስ! እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ኣይኮነን፤ ምስ ኵሎም ደቂ ኤፍሬምውን ኣይኮነን እሞ፥ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ። ውግእ ገጢምካ ብጅግንነት እንተ ተዋጋእኻ እኳ፥ እግዚኣብሄር ንምርዳእ ኾነ ንምጥፋእ ስልጣን ስለ ዘለዎ፥ ፀላእትኻ ኸም ዝስዕሩኻ ኽገብረካ እዩ” በሎ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ “ካብኡ ዝበዝሕ እግዚኣብሄር ክህበካ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ኣሜስያስ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመፁ ጭፍራ ንዓዶም ክምለሱ ፈልዩ ሰደዶም። ንሳቶም ከዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳ እምብዛ ተቘጥዑ፤ ተቘጢዖም ድማ ንዓዶም ተመለሱ። ኣሜስያስ ድማ ብትብዓት ንህዝቡ ኣኽቲቱ ኣብ ለሰ ጨው ኣሰለፎም፤ ኣብኡ ኸዓ ተዋጊኦም ካብ ደቂ ሴይር ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ቀተሉ። ደቂ ይሁዳ ድማ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ብህይወት ማረኹ። ናብ ርእሲ ሓንቲ ቐልቀል ኣደዪቦም ድማ ንቝልቁል ኣፅደፍዎም፤ ኵሎም ከዓ ተፈጥፊጦም ሞቱ። እቶም ኣሜስያስ ናብ ውግእ ምስኡ ኸይኸዱ ዘሰናበቶም ጭፍራ ግና ንኸተማታት ይሁዳ፥ ካብ ሰማርያ ኽሳዕ ቤትሖሮን፥ ሓደጋ ኣውደቑለን እሞ ኣብኣተን ሰለስተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ፤ ብዙሕ ምርኮውን ማረኹ። ኣሜስያስ ንኤዶማውያን ስዒርዎም ክምለስ እንተሎ፥ ነቶም ኣማልኽቶም ተማሊእዎም መፀ። ኣማልኽቱ ክኾኑ ድማ ኣቖሞም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ሰገደ፤ ዕጣንውን ዓጠነሎም። ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣሜስያስ ነደደ እሞ፥ ሓደ ነቢይ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዞም ንህዝቦም ካብ ኢድካ ኸድሕኑ ዘይከኣሉ ኣማልኽቲ ህዝቢ ኤዶምያስ ዝሰገድካሎም?” በሎ። እቲ ነቢይ እናተዛረበ እንተሎ ድማ እቲ ንጉስ “ናይ ንጉስ መማኸሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና? ሕደግ፤ ንምንታይ ቅፅዓት እትደሊ” በሎ። እቲ ነቢይ ድማ “እዙይ ብምግባርካ፥ ምኽረይ ከዓ ብዘይ ምስማዕኻ፥ እግዚኣብሄር ከጥፍአካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ” ኢሉ ሓደጎ። ሽዑ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ምኽሪ ምስ መኸረ፥ ናብ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል፥ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ወዲ ኢዩ፦ “ነዓ ገፅ ንገፅ ንርአአ” ኢሉ ለኣኸሉ። ኢዮኣስ ግና ንኣሜስያስ ልኢኹ፦ “እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዅ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ዝግባ፥ ‘ንወደይ ሰበይቲ ኽትኮኖ ጓልካ ሃበኒ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣራዊት በረኻ ድማ ሓለፉ፤ ነቲ እሾዅ ከዓ ረገፅዎ። ‘እንሆ ንኤዶምያስ ስዒረዮ’ እናበልካ ብልብኻ ትዕበ ኣለኻ፤ ኣነ ግና ኸቢርካ ኣብ ገዛኻ ኽትቅመጥ እምዕደካ ኣለኹ። ስለ ምንታይ ኢኻ ንርእስኻን ንህዝቢ ይሁዳን መከራ እትደሊ?” በሎ። ኣሜስያስ ንኣማልኽቲ ኤዶምያስ ስለ ዘምለኸ፥ ብፀላእቱ ኸም ዝሰዓር እግዚኣብሄር ወሲኑ ነበረ እሞ፥ ኣሜስያስ ምኽሪ ኣይሰምዐን። ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ክዋጋእ ከተተ። ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤትሳሚስ ገፅ ንገፅ ተረኣኣዩ። ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ናብ ዓዶም ሃደሙ። ንኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ወዲ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ድማ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤትሳሚስ ሓዞ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ከዓ ወሰዶ። ንመካበብያ ኢየሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ክልተ ሚእቲ ሜትር ኣፍረሰ። እቲ ምስ ዖቤድኤዶም ዝነበረ፥ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን፥ ኵሉ ኣቑሑን መዛግብቲ ቤተ መንግስትን ዕጉታት ዝነበሩ ሰባትን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመለሰ። ድሕሪ ሞት ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል፥ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ኢዮኣስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፀንሐ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሜስያስ ነገር፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ካብታ ኣሜስያስ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቐላ እዋን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ሻራ ይኣልሙሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናብ ላኪሶ ሃደመ። ደድሕሪኡ ናብ ላኪሶ ልኢኾም ድማ ኣብኣ ቐተልዎ። ኣብ ፈረስ ፅዒኖም ወሰድዎ እሞ፥ ኣብ ከተማ ይሁዳ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ዖዝያን ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት እንተሎ፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኽንዲ ኣቦኡ ኣሜስያስ ኣንገስዎ። ኣቦኡ ኣሜስያስ ምስ ሞተ ኸዓ ንኤላት ናብ ይሁዳ መለሳ፤ መሊሱ ድማ ሰርሓ። ዖዝያን ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ገዝአ። እኖኡ ይኮልያ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኣሜስያስ ዝገበሮ ድማ፥ ንሱውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። እቲ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዝምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ብህይወት እንተሎ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ፤ ንእግዚኣብሄር ከገልግል እንተሎ ኸዓ እግዚኣብሄር ሞገስ ይህቦ ነበረ። ንጉስ ዖዝያ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ንቕፅሪ ኸተማታት ጌትን ያብናን ኣዛጦንን ድማ ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣዛጦንን ኣብቲ ዝተረፈ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሐ። ኣምላኽ ድማ ንፍልስጥኤማውያንን ነቶም ኣብ ጉርበኣል ዝነብሩ ዝነበሩ ዓረባውያንን ነቶም መዑናውያንን ክስዕሮም ሓገዞ። ኣሞናውያን ድማ ንዖዝያ ገበሩሉ፤ ንሱ የመና በርትዐ፤ ዝናኡ ኸዓ ኽሳዕ ግብፂ በፅሐ። ንጉስ ዖዝያ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ደገ መኣዘንን ኣብ ልዕሊ ደገ ለሰን ኣብ ልዕሊ እቲ መንደቕ መኣዘንን ግንብታት ሰርሐ፤ ንኣኣተን ድማ ዓረደን። ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ብዙሓት ከፍቲ ስለ ዝነበራኦ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳውን ግንብታት ሰርሐ። ብዙሕ ጐዳጕዲ ማይ ከዓ ዀዓተ። ፈታዊ ማሕረስ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ደጕዓን ኣብቲ ፍርያም ገራሁን፥ ሓረስቶትን ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ። ዖዝያን ከዓ ንውግእ ዝተዓለሙ ሰራዊት ነበርዎ። እቶም ሰራዊት ከምቲ የዒኤል እቲ ፀሓፍን ማዓስያ እቲ ሓለቓ ሰራዊትን፥ ዝፀሓፍዎምን ዝቘፀርዎምን በብጭፍራታት ተሰሪዖም ናብ ውግእ ይወፁ ነበሩ። ይዒኤልን መዕሴያን ኣብ ትሕቲ ሓናንያ ዝበሃል ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ኮይኖም ይመርሕዎም ነበሩ። ኵሉ ቝፅሪ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት፥ ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ። ንጉስ ድማ ብኣኣቶም ዝምራሕ፥ ንፀላኢ ንምውጋእ ዝሕግዞ፥ ብሰለስተ ሚእትን ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓሻኽር ዝቖመ ሓያልን ጅግናን ሰራዊት ነበሮ። ንጉስ ዖዝያን ከዓ ንዅሉ እዝ ሰራዊት እዙይ ዋላቱን ኲናታትን ቍራዕ ርእስታትን ድርዕታትን ቀስትታትን ዝውንጨፍ ኣእማንን ኣዳለወሉ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ፍላፃታትን ዓበይቲ ኣእማንን ዝውርውረሉ፥ ብብልሓት ዝተገብረ ኣፅዋር ኣብ ግንብታትን ኣብ መኣዝናትን ዝኾኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ብዘደንቕ ስለ ዝረድኦ በርቲዑ ነበረ እሞ ዝናኡ ኣብ ኵሉ ተሰምዐ። ምስ ተጠናኸረ ግና ልቡ ተዓበየ፤ እዙይ ከዓ ጥፍኣት ኣምፅአሉ። ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብምእታዉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደለ። ካህን ኣዛርያስ፥ ሰማንያ ተባዓት ካህናት እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪ ንጉስ ዖዝያን ኣተወ። ንሳቶም ንንጉስ ዖዝያን ተቓወምዎ፤ “ኦ ዖዝያን፥ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣን ናይቶም ክዓጥኑ ዝተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር ናትካ ኣይኮነን። በዲልካ ኢኻሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣየኽብረካን እዩ እሞ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ውፃእ” በልዎ። ሽዑ ዖዝያን ኰረየ፤ ነታ ዝዓጥነላ ፅንሃህ ኸዓ ሒዝዋ ነበረ። ነቶም ካህናት ክዅርየሎም እንተሎ፥ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት ኣብ ግምባሩ ለምፂ ወፆ። ሊቀ ካህናት ኣዛርያስን ኵሎም ካህናትን ድማ ጠመትዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ግምባሩ ለምፂ ነበሮ እሞ፥ ካብቲ ቤተ መቕደስ ቀልጢፎም ኣውፅእዎ። ንሱውን እግዚኣብሄር ስለ ዝቀሰፎ ቐልጢፉ ወፀ። ንጉስ ዖዝያን ድማ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምፂ ነበሮ፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ ኸዓ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ። ወዱ ኢዮኣታም ድማ ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ ነበረ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ የመሓድር ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዖዝያን ነገር ከዓ፥ እቲ ቐዳማይ ኮነ እቲ ዳሕረዋይ፥ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ፅሒፍዎ ኣሎ። ዖዝያን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ጥቓ መቓብር ነገስታት ኣብ ዘላ ምድሪ ቐበርዎ። ለምፂ ኣለዎ ኢሎም ኣብቲ መቓብር ነገስታት ኣይቀበርዎን። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣታም ነገሰ። ኢዮኣታም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ኢየሩሳ እትበሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት። ንሱ ኸም ኣቦኡ ዖዝያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ። ግና ኸም ኣቦኡ ናብ ቤተ መቕደስ ኣይኣተወን። እቶም ህዝቢ ግና ይብድሉ ነበሩ። ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሖ፤ ነቲ ብወገን ዖፌል ዘሎ መካበብያ ኢየሩሳሌምውን ሰርሖ። ኣብ ዝባውንቲ ይሁዳ ድማ ኸተማታት ሰርሐ፤ ኣብ ዱርውን ዕርድታትን ግንብታትን ሰርሐ። ምስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ተዋጊኡ ሰዓሮም እሞ፥ ኣብታ ዓመት ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሽሕ ቶን ስርናይን ሽሕ ቶን ንጉስ ኢዮኣታም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቕኑዕ ስለ ዝገበረ በርትዐ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ነገርን፥ ኵሉ ዝተዋግኦ ውግእን ኣገዛዝኣኡን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተፅሒፉ ኣሎ። ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ንጉስ ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ቐበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ። ኣካዝ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራ ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይነበረን፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን። እኳ ደኣ ኣሰር ነገስታት እስራኤል ሰዓበ፤ ብዝፈሰሰ ሓፂን ገይሩ ምስሊ በዓሊም ገበረ። ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከዓ ዕጣን ዓጠነ፤ ከምቲ ዘፀይፍ ልምዲ ናይቶም ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸዓ፥ ንደቁ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንጣዖት ኣቕረበ። ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽትን፥ ኣብ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ንጉስ ኣካዝ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ብንጉስ ሶርያ ኸም ዝስዓር ገበሮ፤ ንሳቶም ድማ ብዙሕ ጭፍራ ማሪኾም ናብ ደማስቆ ወሰድዎም። ከምኡውን እግዚኣብሄር ብንጉስ እስራኤል ከም ዝሰዓር ገበሮ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውረደሉ። ንጉስ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ድማ፥ ካብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ጀጋኑ ቐተለሎም። እዙይ ከዓ ህዝቢ ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ እዩ። ዝክሪ ዝበሃል ሓደ ጅግና እስራኤላዊ ድማ ንመዕሴያ ወዲ ንጉስ ኣካዝን፥ ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን፥ ትሕቲ ንጉስ ዝለዓለ ስልጣን ንዝሓዘ ንሕልቃናን ቀተሎም። እቶም ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ኣሕዋቶም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣንስትን ኣወዳትን ኣጓላትን ማረኹ፤ ካብኣቶም ብዙሕ ምርኮ ወሲዶም ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ ወሰዱ። ኣብ ሰማርያ ዖዴድ ዝስሙ ነቢይ እግዚኣብሄር ነበረ። ንሱ ነቲ ናብ ሰማርያ ዝምለስ ዝነበረ ሰራዊት እስራኤል ክራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እንሆ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ንህዝቢ ይሁዳ ስለ ዝተቘጥዖም ከም እትስዕርዎም ገበረኩም። ንስኻትኩም ግና ብቝጥዓ ጨኪንኩም ቀተልኩምዎም። ጨኸናኹም ከዓ ኣብ ሰማይ በፅሐ። ሕዚ ድማ ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ተሓስቡ ኣለኹም። እንሆ ንስኻትኩም፥ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ትብድሉ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ስምዑኒ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ከይነድድ፥ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም።” ሽዑ ሓድሓደ ኻብቶም መራሕቲ ደቂ እስራኤል፥ ኣዛርያስ ወዲ ዮሓናን በራክያ ወዲ መሺሌሞትን ይሒዝቅያ ወዲ ሰሎምን ዓሜሳይ ወዲ ሓድላይም ተሲኦም ንተግባር እቲ ሰራዊት ተቓወምዎ። “በደልናስ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ድሮ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዲዱ ኣሎ። ንስኻትኩም በዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና በደል ዝኾነና ጌርኩም፥ ሓጢኣትናን በደልናን ክትውስኹ ኢኹም እትሓስቡ ዘለኹም እሞ፥ ነዞም ምሩኻት እዚኣቶም ናብዙይ ኣይተእትውዎም” በልዎም። ሽዑ እቶም ሰራዊት ነቶም ምሩኻትን ነቲ ምርኮን ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕትን ኵሉ ህዝብን ሰደድዎም። እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተሰምዩ ሰባት ከዓ ተሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፤ ንዅሎም ዕሩቓት ዝነበሩ ድማ ኻብቲ ምርኮ ኣልዒሎም ከደንዎም። ምስ ከደንዎም ከዓ፥ ኣሳእን ሃብዎም፤ መብልዕን መስተን ሃብዎም፤ ዘይትውን ለኸይዎም፤ ንዅሎም ድኹማት ድማ ኣብ ኣእዱግ ኣቐሚጦም፥ ናብ ኢያሪኮ፥ ናብታ ኸተማ ተምሪ፥ ናብ ኣሕዋቶም ኣብፅሕዎም። ንሳቶም ግና ናብ ሰማርያ ተመለሱ። በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ኣካዝ፥ ንንጉስ ኣሶር ክሕግዞ ለኣኸሉ፤ ኤዶማውያን መሊሶም መፂኦም ንይሁዳ ሓደጋ ኣውዲቖም፥ ምሩኻት ወሲዶም ነይሮም እዮም እሞ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንኸተማታት ቤትሳሚስን ኤሎንን ግዴሮትን፥ ከምኡውን ንኸተማታት ሶኮን ተምናን ጊምዞንን መምስ ቁሸታተን ሓዝወን፤ ኣብኣተን ድማ ተቐመጡ። ኣካዝ ንጉስ እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝረሓቐን ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ስዲ ስለ ዝሓደጎምን፥ እግዚኣብሄር ብሰንኩ ንህዝቢ ይሁዳ ኣዋረዶም። ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብኡ መፀ፤ ግና ኽንዲ ዝድግፎ ተቓወሞን ኣጨነቖን። ኣካዝ ከዓ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መንግስትን ኣብ ቤት ኣሕሉቕን ዝነበረ ወርቂ ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ፤ ግና ኣይተሓገዘሉን። ንጉስ ኣካዝ ብጊዜ ጭንቁውን ዝገደደ ንእግዚኣብሄር በደለ። “ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ፥ ንነገስታት ሶርያ ስለ ዝሓገዝዎም፥ ኣነ ኸዓ ምእንቲ ኽሕግዙኒ ኽስውአሎም እየ” ኢሉ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውአሎም ነበረ። ንሳቶም ግና ንእኡን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደኣ መዐንቀፊ ኾንዎም። ኣካዝ ድማ ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ኣኪቡ ሰባበሮ፤ ነቲ በርታት ቤት እግዚኣብሄርውን ዓፀዎ። ኣብ ኵሉ መኣዝን ኢየሩሳሌም ከዓ ንባዕሉ መሰውኢታት ሰርሐ። ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ዝዓጥነሉ በረኽቲ ገበረ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣቘጥዖ። እቲ ዝተረፈ ግብሩን ኣከያይዳኡን፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ። ኣካዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ቐበርዎ። ግና ናብቲ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ። ሕዝቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኣቡ እትበሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት። ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ስዒቡ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ። ሕዝቅያስ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናይታ መጀመርታ ዓመት መንግስቱ፥ ነተን በርታት ቤት እግዚኣብሄር ከፈተን፤ ኣሐደሰንውን። ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣምፂኡ ኸዓ፥ ኣብቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ገፊሕ ኣደባባይ ኣከቦም። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሌዋውያን፥ ስምዑኒ፤ ተቐደሱ፤ ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ከዓ ቐድስዋ፤ ነቲ ርኽሰት ድማ ኻብ መቕደስ ኣውፅእዎ። ኣቦታትና በደሉ፤ ኵሉ ኽፉእ ዝኾነውን ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ሓደግዎ። ካብቲ እግዚኣብሄር ዝሓድሮ ቤተ መቕደስ ከዓ ረሓቑ። ናይቲ ቤተ መቕደስ ገበላ ዓፀዉ፤ መብራህትታትውን ኣጥፍኡ፤ ኣብ መቕደስ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ኣይዓጠኑን፤ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣየቕረቡሉን። ስለዙይ ድማ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ነደደ። ከምዝ ንስኻትኩም በዒንትኹም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመሰክሕን ንመደንገፅን ንመላገፅን ገበሮም። ስለዙይ ከዓ እንሆ ኣቦታትና ኣብ ውግእ ሞቱ፤ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ኣንስትናንውን ተማረኹ። ሕዚ ግና እቲ ጕሁር ቍጥዓ ኻባና ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ብልበይ ሓሲበ ኣለኹ። ኣቱም ደቀይ፥ ኣገልገልቱ ዄንኩም ዕጣን ክትዓጥኑሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ ንህዝቢ ብፀሎት ክትመርሑ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሓርዩ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሸለል ኣይትበሉ።” ዮኣክ ወዲ ዛማትን ዔድን ወዲ ዮኣክን፥ ዘካርያስን መታንያን፥ ሸማያን ዑዝኤልን። ነሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ። ከምቲ ንጉስ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝበሎም ከዓ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ከንፅህዋ ኣተዉ። እቶም ካህናት ድማ ነታ ውሻጠ ቤት እግዚኣብሄር ከንፅሁ ኣተዉ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝረኸብዎ ዅሉ ርኽሰት ናብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅእዎ። እቶም ሌዋውያን ከዓ ተቐቢሎም ናብ ሩባ ቄድሮን ኣውፂኦም ደርበይዎ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ ነታ ቤተ መቕደስ ከንፅህዋ ጀመሩ፤ ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽሳዕ እቲ ገበላ በፅሑ። ቀፂሎም ከዓ ንሸሞንተ መዓልቲ ነታ ቤተ መቕደስ ኣንፅህዋ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ድማ ነቲ ስራሕ ፈፀምዎ። ሽዑ ንሳቶም ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ኣትዮም “ንዅሉ ቤት እግዚኣብሄር ዝቃፀል መሰውኢን፥ ንዅሉ ኣቑሑኡን ነቲ ሰደቓ ሕብስቲ ቝርባንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ኣፅሪናዮ ኣለና። ነቲ ንጉስ ኣካዝ ክገዝእ እንተሎ፥ ካብ እግዚኣብሄር ምስ ከድዐ፥ ዝደርበዮ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን ኣለና። እንሆ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣሎ” በልዎ። ሽዑ ንጉስ ሕዝቅያስ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኸዓ ኣከቦም፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ሒዝዎም ድማ ኸደ። ምእንቲ መንግስትን ምእንቲ ቤተ መቕደስን ምእንቲ ህዝቢ ይሁዳን ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ሸውዓተ ኣብዑርን፥ ሸውዓተ ማጓሉን፥ ሸውዓተ ጡበታትን፥ ሸውዓተ ዲበላታትን ኣቕረቡ። ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ክስውእዎም ድማ፥ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ኣዘዞም። ሽዑ ነቶም ኣብዑር ሓረድዎም፤ ካህናት ድማ ነቲ ደም ተቐቢሎም ናብቲ መሰውኢ ነፀግዎ፤ ነቶም ማጓሉውን ሓረድዎም፤ ነቲ ደምውን ናብ መሰውኢ ነፀግዎ። ነቶም ክንዲ ሓጢኣት ዝስውኡ ዲበላታት ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስን ህዝብን ኣቕረብዎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንበሩ። እቲ ንጉስ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል፥ ዝቃፀል መስዋእትን ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን ክግበር ኣዚዙ ስለ ዝነበረ፥ ንዅሉ እስራኤል ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ክኸውን ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረቡ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ ገይሩ ዝኣዘዞ፥ ከምኡውን ከምቲ ንጉስ ዳዊት ብጋድ እቲ ናይ ንጉስ ነቢይን፥ ብነቢይ ናታንን ተመሪሑ ዝሰርዖ፥ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ፀናፅልን መሰንቆታትን በገናታትን ኣትሒዙ ኣቖሞም። ስለዙይ ሌዋውያን ናይ ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ ሒዞም ነበሩ፤ ካህናትውን መለኸት ሒዞም ቆይሞም ነበሩ። ሕዝቅያስ ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኽስዋእ ኣዘዘ። እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽጅመር እንተሎ ኸዓ ብመለኸትን በቲ ናይ ዳዊት ንጉስ እስራኤል መሳርሒ ሙዚቃን፥ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ዘመሩ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ይሰግድ ነበረ፤ እቶም ዘመርቲ ድማ ይዝምሩ ነበሩ፤ መለኸተኛታትውን ነፍሑ፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽሳዕ ዝፍፀም ድማ እዝ ዅሉ ኾነ። ምቕራብ ምስ ፈፀሙ ኸዓ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ፍግም ኢሎም ሰገዱ። ንጉስ ሕዝቅያስን እቶም ኣሕሉቕን ድማ ነቶም ሌዋውያን ብቓል ዳዊትን ነቢይ ኣሳፍ እቲ ረኣዪን፥ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ኽዝምሩ ኣዘዝዎም። ተሓጒሶም ከዓ መዝሙር ምስጋና ዘመሩ፤ ፍግም ኢሎምውን ሰገዱ። ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ሕዚ ንእግዚኣብሄር ተቐዲስኩም ኢኹም እሞ ቕረቡ። መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ” በለ። እቲ ህዝቢ ኸዓ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምፅአ፤ ኵሉ ናይ ልቢ ድሌት ዝነበሮውን ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ። እቲ ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሰብዓ ዝራብዓት፥ ሚእቲ ማጓሉ፥ ክልተ ሚእቲ ጡበታት ኣባጊዕ ኣምፅአ። ቍፅሪ እቶም ዝተቐደሱ ድማ ሽዱሽተ ሚእቲ ኣብዑርን ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን ነበሩ። እቶም ካህናት ግና ውሑዳት ነበሩ እሞ ንዅሎም እቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ እንስሳ ምሕራድ ኣይከኣሉን፤ ስለዙይ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ዝበልፅ ንኽቕደሱ ቅኑዕ ልቢ ነበሮምሞ፥ እዝ ስራሕ እዙይ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ካልኦት ካህናትውን ክሳዕ ዝቕደሱ፥ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓገዝዎም። ምስቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ምስቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ተብሂሉ ዝተቐረበ መስዋእቲ መስተን ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብዙሕ ነበረ። ስለዙይ እቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዳለወ። እቲ ነገር ድንገት ስለ ዝተገብረ፥ ሕዝቅያስን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዝገበረሉ ተሓጐሱ። ሕዝቅያስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሉ፥ ናብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፤ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከዓ መልእኽቲ ፀሓፈ። እዙይ ድማ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ዝኣኽሉ ኻህናት ስለ ዘይተቐደሱን፥ እቲ ህዝቢ እውን ኣብ ኢየሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን ብጊዜኡ ፋሲካ ኸብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፥ ንጉስ ሕዝቅያስን ሹመኛታቱን ኵሉ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ፋሲካ ኸብዕሉ ስለ ዝተማኸሩ እዩ። እዝ ነገር እዙይ ንንጉስን ንዅሉ እቲ ህዝብን ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮም። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሎም፥ ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ዳን ኣብ ኵሉ እስራኤል ኣዋጅ ክእወጅ ወሰኑ። እዙይ መግበሪኦም ድማ ህዝቢ እስራኤል ንበዓል ፋሲካ ኻብ ነዊሕ ዘመን ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ገይሮም ዘየብዕልዎ ስለ ዝነበሩ እዩ። “ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ኣምሊጥኩም ተሪፍኩም ኣለኹም፤ ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ተመለሱ። ከምቲ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኩም ከም ዝጠፍኡ ኽሳዕ ዝገብሮም ንኣምላኽ ኣቦታቶም እግዚኣብሄር ከም ዝበደሉ ከም ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ። እምበኣር ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተገዝእዎ፤ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ንዑ፤ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኽምለስ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ። ናብ እግዚኣብሄር እንተ ተመሊስኩም፥ እቶም ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማሪኾምዎም ዘለዉ ምሕረት ክረኽቡ፥ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክምለሱ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህን መሓርን እዩ እሞ፥ ናብኡ እንተ ተመሊስኩም፥ ንሱውን ገፁ ናባኻትኩም ክመልስ እዩ።” እቶም ልኡኻት ከዓ ኻብ ከተማ ናብ ከተማ ሓለፉ፤ ብሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ኣቢሎም ድማ ኽሳዕ ዛብሎን በፅሑ። ንሳቶም ግና ብንዕቐት ሰሓቑዎምን ኣላገፁሎምን። ካብ ኣሴርን ምናሴን ካብ ዛብሎንን ዝኾኑ ሰባት ግና ርእሶም ኣዋሪዶም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ። መሊሱ ሓደ ልቢ ንኽህቦም ብቓል እግዚኣብሄር ንዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ኣሕሉቑን ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኾነ። በታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በዓል ቅጫ ኸብዕል፥ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከበ። ተሲኦም ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነበሩ መሰውኢታት ኣወገዱ፤ ነቲ ዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ወሲዶም ኣብ ሩባ ቄድሮን ደርበይዎ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፤ ተቐዲሶም ድማ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ። ከምቲ ሕጊ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ በብስርዓቶም ቆሙ፤ እቶም ካህናት ካብ ኢድ ሌዋውያን ተቐቢሎም ነቲ ደም ይነፅጉ ነበሩ። ካብቶም ህዝቢ ብዙሓት ዘይነፅሁ ነበሩ እሞ፥ እቶም ሌዋውያን ምእንቲ እቶም ዘይነፅሁ ዅሎም በጊዕ ፋሲካ ሓሪዶም ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ። ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ኻብ ነገድ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ከምቲ ሕጊ እንተይነፅሁ በጊዕ ፋሲካ በልዑ። ንጉስ ሕዝቅያስ ግና “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! እቲ ብቕኑዕ ልቢ ንኣኻ ዘምለኸ፥ ከም ሕጊ ዘይነፅሀኳ እንተ ኾነ ብሕያዋይነትካ ይቕረ በለሉ” ኢሉ ለመነ። እግዚኣብሄር ከዓ ፀሎት ሕዝቅያስ ሰሚዑ ነቶም ህዝቢ ኣሕወዮም። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል ድማ ብዓብዪ ሓጐስ፥ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ በብመዓልቱ ብመሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር መዝሙር እናዘመሩ የመስግኑ ነበሩ። ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ብምስትውዓል ዝመርሑ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን የበረታትዖም ነበረ። በቲ በዓል፥ በተን ሸውዓተ መዓልቲ እቲኣተን ከዓ፥ መስዋእቲ ምስጋና እናቕረቡን እናበልዑን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም የመስግኑ ነበሩ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻልኦት ሸውዓተ መዓልቲ ኸብዕሉ ተሰማምዑ፤ ካልኦት ሸውዓተ መዓልቲታትውን ብሓጐስ ኣብዓሉ። ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቶም ህዝቢ ሓሪዶም ዝበልዕዎም ሽሕ ዝራብዓትን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃቦም። እቶም ሹመኛታት ድማ ነቲ ህዝቢ ሽሕ ኣብዑርን ዓሰርተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃብዎ። ብዙሓት ካህናት ከዓ ኸምቲ ስርዓት፥ ርእሶም ኣንፅሁ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ህዝቢ ይሁዳን ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዝመፁ ህዝብን፥ እቶም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝቕመጡ ዝነበሩ መፃእተኛታትን ብሓባር ተሓጐሱ። ድሕሪ ዘመን ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት፥ ከምዙይ ዝበለ በዓል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣይተገብረን እሞ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኮነ። እቶም ሌዋውያን ካህናት ከዓ ተሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፤ ድምፆምውን ተሰምዐ፤ ፀሎቶምውን ናብ ቅዱስ ማሕደሩ ናብ ሰማይ ዓረገ። እዝ ዅሉ ምስ ተፈፀመ፥ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ኸዱ እሞ፥ ነቲ ኣዕምዲ ጣዖት ሰባበርዎ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን፤ ነቲ ኣብ ኵሉ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ዘሎ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፈራረስዎ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፥ ናብ ከተማታቶም ተመለሱ። ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን በብኽፍሎም መደቦም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኸም ምግልጋሉ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡን ከገልግሉን ኣብተን በርታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም። እቲ ንጉስ ድማ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ነቲ ንግሆን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቂ ወርሕን ኣብ ምዱባት በዓላትን ንዝቃፀል መስዋእትን ዝኸውን፥ ካብ ጥሪቱ ክኸፍሎ ወሰነ። እቲ ንጉስ ከዓ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ኣብ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኽፀንዑ፥ ግደኦም ክህብዎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ ኣዘዞም። እዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ወፀ ድማ፥ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኵሉ እቶት ገራሁን በዅራት ኣብዚሖም ሃቡ፤ ናይ ኵሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ሃቡ። እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዝነብሩ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ከዓ ኻብ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣስራት፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኢሎም ዝወፈይዎ ድማ ኣስራት ኣምፅኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዀመርዎ። ክዅምሩ ዝጀመሩ ብሳልሰይቲ ወርሒ ነበረ፤ በታ ሻውዐይቲ ወርሒ ድማ ወድእዎ። ሕዝቅያስን እቶም ሹመኛታቱን መፂኦም ነቲ ዅምራታት ምስ ረአይዎ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ፤ ንህዝቡ እስራኤል ድማ ባረኽዎ። ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዝተዀመረ ጠየቖም። ሽዑ እቲ ኻብ ማይ ቤት ሳዶቅ ዝነበረ ሊቀ ካህናት ኣዛርያስ “እቲ መባእ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምእታው ካብ ዝጅምር፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝባረኾ፥ ክሳዕ ዝተርፈና በሊዕና ንፀግብ ኣለና። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዅምሪ ኸዓ ዓብዪ እዩ” ኢሉ ተናገረ። ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ማዕኸን ክስራሕ ኣዘዘ፤ ንሳቶም ከዓ ሰርሑ። ነቲ መባእን ኣስራትን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ብእምነት ናብኡ ኣእተውዎ። ኮናንያ ዝበሃል ሌዋዊ ድማ ተሸይሙ ነበረ፤ ንሓዉ ሰሜኢ ኸዓ ብመዓርግ ካልኣይ ነበረ። ብትእዛዝ ንጉስ ሕዝቅያስን ብትእዛዝ ኣዛርያስ ሹም ቤት እግዚኣብሄርን ድማ ይሒዒል፥ ኣዛዝያ፥ ናሖት፥ ኣሳሄል፥ ይሬሞት፥ ዮዛባት፥ ኤሊኤል፥ ሰማክያ፥ መሓት፥ በናያስ፥ ዝበሃሉ ሌዋውያን ኣብ ትሕቲ ኮናንያን ሰሜኢ ሓዉን ተቘፃፀርቲ ኾኑ። ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፥ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት በሪ ኸዓ ነቲ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መባእን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ውህብቶን ነቲ ብድሌት ንኣምላኽ ዝተሰውአ መባእን፥ ክቕበልን ክዕድልን ተሸመ። ኣብ ትሕቲኡ ድማ ነቶም ኣሕዋቶም ከከምታ መደብ ስራሖም ማዕረ ማዕረ ገይሮም ብእምነት ክዕድሉሉ፥ ዔድን፥ ሚንያሚን፥ ኢያሱ፥ ሸማያ፥ ኣማርያ፥ ሴኬንያ፥ ዝበሃሉ ሌዋውያን ኣብተን ካህናት ዝነብሩለን ከተማታት ተሸይሞም ነበሩ። ነቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ኣወዳት ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዝነበሩ፥ ከከም ክፍሎምን ከከም ኣገልግሎቶምን ነቲ ነናይ መዓልቲ ዘድሊ ነገር ክገብሩ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣትዉ ዅሎም ይዕድልዎም ነበሩ። ከምኡውን ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዝተፅሓፉ ኻህናት፥ ነቶም ልዕሊ ደቂ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ዝተፅሓፉ ሌዋውያን ይዕድልዎም ነበሩ። ኣብቲ ማሕበር በብትውልዶም ዝተቘፀሩ ኸምቲ ሕጊ፥ ርእሶም ብእምነት ቀዲሶም ስለ ዝነበሩ፥ ምስ ኵሎም ህፃናቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ተፅሓፉ። ነቶም ኣብ ከከባቢ ኸተማታቶም ዘሎ ገራሁ ዝነብሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን ድማ፥ ካብ ካህናት ተባዕትዮ ንዝኾኑ ኻብ ሌዋውያን ንዝተፅሓፉ ዅሎምን በብፅሒቶም ክህብዎም፥ ኣብ ከከተማኡ በብስሞም ዝተመደቡ ሰባት ነበሩ። ሕዝቅያስ ከዓ ኣብ ኵሉ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፅቡቕን ቅኑዕን ሓቅን ገበረ። ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ሕግን ትእዛዝን፥ ንኣምላኹ ስለ ዝተኣዘዘን፥ ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሰርሐን፥ ሰለጦ። ድሕሪ እዝ ነገር እዙይን እዝ እምነት እዙይን፥ ንጉስ ኣሶር ሰናክሬም መፂኡ ናብ ይሁዳ ኣተወ። ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ከቢቡ ድማ ኽሕዘን ሓሰበ። ሕዝቅያስ፥ ሰናክሬም ከም ዝመፀን ንኢየሩሳሌምውን ክዋግኣ ኸም ዝሓሰበን ምስ ረአየ፥ እቲ ኣብ ወፃኢ ኸተማ ዘሎ ዓይኒ ማያት ክድፈን፥ ምስቶም መኳንንቱን ጀጋኑኡን ተማኸረ ንሳቶም ድማ ሓገዝዎ። ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ከዓ “ስለ ምንታይ እቶም ነገስታት ኣሶር መፂኦም ብዙሕ ማይ ዝረኽቡ” ብምባል ንዅሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ ብማእኸል እታ ሃገር ዝውሕዝ ሩባን ዓፀውዎ። ሰውነቱ ኣበርቲዑ ብምስራሕ ድማ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ቕፅሪ ፀገኖ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንደቕ ሰርሐሉ፤ ንመካበብያ ኢየሩሳሌምውን ብወፃኢ ኻልኣይ መንደቕ ሰርሐሉ። ኣብ ከተማ ዳዊት ንዘላ ሚሎን ኣጠናኸረ፤ ብዙሕ ኣፅዋርን ዋላቱን ድማ ኣዳለወ። ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ድማ ኣሕሉቕ ውግእ ሸመ፤ ናብታ ኣብ በሪ ኸተማ ዘላ ገፋሕ ስፍራ ኸዓ ኣከቦም እሞ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣፀናንዖም፦ “ኣይዞኹም ፅንዑን ትብዑን፤ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዝ ምሳና ዘሎ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን። እቲ ምስኡ ዘሎ፥ ሓይሊ ሰብ እዩ፤ እቲ ምሳና ዘሎ ግና፥ እቲ ዝረድአናን ዝዋግአልናን እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።” እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ተፀናንዐ። ድሕሪዙይ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ኣብ ላኪሶ ሰፊሩ እንተሎ፥ ሹመኛታቱ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ልኢኹ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብዛ ተኸቢባ ዘላ ኢየሩሳሌም ተቐሚጥኩም ዘለኹምስ፥ ንመን ኣሚንኩም ኢኹም? ብጥሜትን ብፅምእን ክትሞቱስ፥ ሕዝቅያስዶ ኣይኮነን ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈና እዩ’ እናበለ ዘስሕተኩም ዘሎ? እቲ ንእግዚኣብሄር ዝስውኡሉ በረኽትን መሰውኢታትን ኣወጊዱ፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ‘ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑ’ ዝበለስ እዝ ሕዝቅያስ እዙይዶ ኣይኮነን? “ኣነን ኣቦታተይን ንዅሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይፈለጥኩምን ኢኩም? ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራት እቲኣተንከ ንሃገሮም ካብ ኢደይዶ ኸናግፍወን ክኢሎም እዮም? ካብቶም ኣማልኽቲ ናይዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኣቶምከ ንህዝቡ ኸናግፍ ዝኸኣለ ኣምላኽ መን እዩ? ኣምላኽኩምከ ኻብ ኢደይ ከናግፈኩምዶ ይከኣሎ እዩ? እምበኣር ሕዝቅያስ ኣይጠብርኩም በዝ ነገር እዙይውን ኣይሓባብልኩም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣይትእመንዎ። ናይ ዝኾነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ከናግፎ ዝኸኣለ የለን፤ ኣምላኽኩም ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዘናግፈኩም?” እቶም ሹመኛታቱ ድማ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ባርያኡ ሕዝቅያስን ክፉእ ነገር ተዛረቡ። ከምኡውን ሰናክሬም ንእግዚኣብሄር ክፀርፎን፥ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኽዛረብን፦ “ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ዘየድሓንዎም፤ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ሕዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ከድሕኖም ኣይኽእልን እዩ” ዝብል ደብዳቤ ፀሓፈ። ነታ ኸተማ ምእንቲ ኽሕዝዋ ድማ፥ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ዝነብሩ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ከፍርሕዎምን ከሸብርዎምን ዓው ኢሎም ብቛንቋ ዕብራይስጢ ተዛረብዎም። ብዛዕባ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝኾኑ ናይዝ ዓለምዙይ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ። ንጉስ ሕዝቅያስን ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅን ግና ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ እግዚኣብሄር ፀለዩ፤ ናብ ሰማይውን ኣእወዩ። እግዚኣብሄር ድማ ሓደ መልኣኽ ሰደደ፤ ንሱ ኸዓ ነቶም ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ዝነበሩ ዅሎም ሓያላት ጀጋኑን መሳፍንትን ኣሕሉቕን ኣጥፍኦም። ሰናክሬም ከዓ ተዋሪዱ ናብ ሃገሩ ተመለሰ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ኣምላኹ ምስ ኣተወ ድማ፥ ካብ ሕቘኡ ዝወፁ ደቁ ኣብኡ ቐተልዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሕዝቅያስን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ካብ ኢድ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኵሎም ካልኦት ፀላእቶምን ኣድሓኖም፤ ብዅሉ ወገንውን ሓለዎም። ብዙሓት ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኦም ንእግዚኣብሄር መባእ፥ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኽቡር ውህብቶ ኣምፅኡ። ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ዅለን ሃገራት ንጉስ ሕዝቅያስ ልዕል ልዕል በለ። በቲ ወርሓት እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ንሞት ቀረበ። ናብ እግዚኣብሄር ድማ ፀለየ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ተናገሮ፤ ምልክትውን ሃቦ። ግና ሕዝቅያስ፥ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ ውሬታ ኣይመለሰን፤ ስለዙይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ነደደ። ሕዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ርእሱ ኣዋረደ፤ ስለዙይ እቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ሕዝቅያስ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣይመፆምን። ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ የመና ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን፥ ንቐመማትን፥ ንዋላቱን፥ ክቡር ንዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑን ዝኸውን ቤት መዛግብቲ ሰርሐ። ንእቶት እኽልን ወይንን ዘይትን ዝኸውን ሪቕ፥ ንዅሉ ዓይነት እንስሳ ዝኸውን ከዓ ጋፃት፥ ንጤለ በጊዕ ዝኸውን ደምበታት ሰርሐ። እግዚኣብሄር የመና ብዙሕ ሃብቲ ሂብዎ ነበረ እሞ፥ ከተማታት ሰርሐ፤ ብዙሓት ከፍትን ኣባጊዕን ድማ ኣጥረየ። ነቲ ላዕለዋይ ዓይኒ ማይ ግዮን ዓቢሱስ፥ ብመስኖ ገይሩ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኸም ዝውሕዝ ዝገበሮ ንጉስ ሕዝቅያስ እዩ። ሕዝቅያስ ዝገበሮ ዅሉ ይሰልጦ ነበረ። እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተገብረ ተኣምራት ክጥይቑ ናብኡ ዝተልኣኹ መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መፁ ግና፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍትኖ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዅሉ ምእንቲ ኽፈልጥውን ሓደጎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ሰብ ከም ዝነበረን፥ ኣብቲ ራእይ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅን ኣብቲ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ። ሕዝቅያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ መቓብር ደቂ ዳዊት፥ ኣብቲ ዝለዓለ ቦታ ነገስታት ድማ ቐበርዎ። ህዝቢ ይሁዳን እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ድማ ብዓብዪ ኽብሪ ቐበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ምናሴ ነገሰ። ምናሴ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ግብሪ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምፍፃሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖታት በዓል ከዓ መሰውኢታት ሰርሐ፤ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ። መምለኺ ዓፀዳትውን ተኸለ። ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገደሎምን ኣምለኾምን። ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ። ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐ። ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም። ብስብሒ ድማ ይጥንቍል ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን ጠንቈልትን ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ። ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ። እንተ ኾነ ኸምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎም፥ ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ስርዓታትን ትእዛዛትን ንምግባር ደኣ ይጠንቀቑ እምበር፥ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣይነቕሎምን እየ።” ምናሴ ግና ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ኣስሓቶም። ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝገደደ ሓጢኣት ገበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ንምናሴን ንህዝቡን ኣጠንቀቖም፤ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን። ሽዑ እግዚኣብሄር ናይ ንጉስ ኣሶር ኣሕሉቕ ሰራዊት ሰዲዱ ንይሁዳ ኸም ዝወርዋ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፤ ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። ዓቕሉ ምስ ፀበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን የመና ርእሱ ኣዋረደ። ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ እግዚኣብሄር ድማ ራህርሀሉ፤ ፀሎቱውን ሰምዖ። ናብታ መንግስቱ ናብ ኢየሩሳሌምውን መለሶ። ሽዑ ምናሴ እግዚኣብሄር በይኑ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፈለጠ። ድሕሪዙይ ምናሴ ንኸተማ ዳዊት ካብ ወገን ምዕራብ ግዮን ጀሚሩ፥ ኣብታ ለሰ በታ ዓሳ ዝኣትዉላ ኣፍ ደገ ሓሊፉ፥ ክሳዕ ዙርያ ዖፌል ናይ ወፃኢ መካበቢያ ነደቐላ፤ የመናውን ኣበረኾ። ኣብ ኵለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ኣሕሉቕ መምስ ሓሻኽሮም ኣቐመጠ። ነቶም ባዕዳን ኣማልኽትን ነቲ ምስሊ ጣዖትን ድማ ኻብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅኦም፤ ነቲ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎ ዀረብታን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ነዲቕዎ ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ኣርሒቑ ናብ ወፃኢ ኸተማ ደርበዮ። ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሓደሶ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ድሕነትን መስዋእቲ ምስጋናን ሰውአ። ንህዝቢ ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከገልግልዎ ኣዘዞም። ግናኸ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ ድኣ ይስውኡ ነበሩ እምበር፥ ኣብ በረኽቲ ምስዋእ ኣይሓደጉን። እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን እቲ ንኣምላኹ ዘቕረቦ ፀሎትን እቶም ነቢያት ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ ቓልን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ። ብዛዕባ ፀሎቱን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መልስን፥ ብዛዕባ ቅድሚ ምንሳሑ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፥ ብዛዕባ እቲ ንጣዖት ከምልኹሉ ኢሉ ዝሰርሖ በረኽትን፥ ብዛዕባ እቲ ዘቖሞ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን፥ ብዛዕባ እቶም ዘምልኾም ዝነበረ ኣማልኽትን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነቢያት ተፅሒፉ ኣሎ። ምናሴ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ቤቱውን ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ። ኣሞፅ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ። ንሱውን፥ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ነቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ኵሎም ምስልታት ሰውአሎምን ኣምለኾምን። ኣሞፅ ግና ነቲ በደል እናብዝሖ ደኣ ኸደ እምበር፥ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘዋረደ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርእሱ ኣየዋረደን። ሹመኛታቱ ኸዓ ሻራ ገበሩሉ እሞ፥ ኣብ ቤተ መንግስቱ ቐተልዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞፅ ሻራ ዝገበሩሉ ዅሎም ቀተልዎም። ክንድኡ ኸዓ ንወዱ ኢዮስያስ ኣንገስዎ። ንሱ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም እንተየግለሰ፥ ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ብምስዓብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ። ኣብ ሻምነይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ገና ቘልዓ እንተሎ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ከምልኽ ጀመረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት መንግስቱ፥ ነቲ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ጣዖታት ዘምልኹሉ በረኽትን ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ፅሩብ ምስልታትን ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትን ከፅሪ ጀመረ። ነቲ መሰውኢታት በዓልውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ምስሊ ፀሓይን መምለኺ ኣፀዳትን ቈራረፆ፤ ነቲ ዓምዲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ኣድቂቑ ሰባበሮ፤ ኣብ መቓብር እቶም ዝስውኡሎም ዝነበሩ ሰባት ድማ በተኖ። ነዕፅምቲ ኻህናት ጣዖት ድማ ኣብቲ መሰውኢታቶም ኣቃፀሎ እሞ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ኣፅረየን። ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን ስምኦንን ክሳዕ ምድሪ ንፍታሌምን ኣብተን ኣብ ዙርያአን ዝነበራ ድማ ኸምኡ ገበረ። መሰውኢታት ኣፍረሰ፤ ንመምለኺ ዓፀዳትን ዝተቐረፁ ምስልታትን ከዓ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣድቀቐ። ኣብ ኵሉ ሃገር እስራኤል ምስሊ ፀሓይ ቈራረፀ። ብድሕሪኡ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፤ ነታ ሃገርን ነታ ቤተ መቕደስን ካብ ኣምልኾ ጣዖት ምስ ኣፅረየን፥ ንሳፋን ወዲ ኤዜልያስን ንመዕሴያ ሹም እታ ኸተማን ንእዮኣክ ወዲ ኢዮኣካዝ እቲ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፅግንዋ ለኣኾም። ነቲ እቶም ሌዋውያን ሓለውቲ በሪ፥ ካብ ነገድ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ካብቶም ኵሎም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ደቂ እስራኤልን፥ ካብ ኵሉ ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ህዝብን ኣኪቦምዎ ዝነበሩ እሞ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘእተውዎ ገንዘብ ንሊቀ ካህናት ኬልቅያስ ሃብዎ። እዝ ገንዘብ እዙይ ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰራሕቲ ቤት እግዚኣብሄር ዝተሸሙ ተውሃበ። ንሳቶም ከዓ ነቶም ንቤት እግዚኣብሄር ክፅግንዋን ከዐርይዋን ዝተመረፁ ሰራሕተኛታት ሃብዎም። ነተን ነገስታት ይሁዳ ዘፍረስወን ኣባይቲ፥ ኣግማል ክገብሩለንን ውቑር እምንን ንመጋጠሚ ዝኸውን ኣዕፃውን ምእንቲ ኽዕድጉ፥ ንፀረብትን ንሃነፅትን ሃብዎም። እቶም ሰባት ከዓ ነቲ ስራሕ ብተኣማንነት ሰርሕዎ። ክሕልውዎም ዝተመረፁ ሌዋውያን ድማ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ ያሓትን ኣብድያን፥ ካብ ደቂ ቀሃት ከዓ ዘካርያስን ሜሱላምን ነበሩ። እቶም ሌዋውያን ኵሎም ብመሳርሒ ሙዚቃ ምዝማር፥ ክኢላታት ነበሩ። ገሊኣቶም ሌዋውያን ኣብ ልዕሊ እቶም ሸኽሚ ዝፆሩ ሓለፍቲ ነበሩ፤ ገሊኣቶም ነቶም ንዅሉ ዓይነት ስራሕ ኣገልግሎት ዝሰርሑን፥ ዝሕልዉን ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ ፀሓፍትን ኣሕሉቕን ሓለውቲ በርታትን ነበሩ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ከውፅኡ እንተለዉ፥ ካህን ኬልቅያስ ነቲ ብሙሴ ዝተውሃበ መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ረኸቦ። ኬልቅያስ ድማ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ “ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ረኺበዮ ኣለኹ” ኢሉ ነገሮ። ኬልቅያስውን ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ንሳፋን ሃቦ። ሳፋን ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ናብ ንጉስ ኣምፅኦ። ንንጉስ ከዓ “እቲ ንሹመኛታትካ ዝኣዘዝካዮም ኵሉ ይፍፅምዎ ኣለዉ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም፥ ኣብ ኢድ እቶም ዋናታትን ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ስራሕ ዝሰርሕዎን ሂቦምዎም ኣለዉ።” ሳፋን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ወሲኹ ንንጉስ፥ “ካህን ኬልቅያስ ሓደ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉ ኣንበቦ። እቲ ንጉስ፥ ቃል እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ። ንኬልቅያስን ንኣኪቃም ወዲ ሳፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሳፋን እቲ ፀሓፍን፥ ንዓሳያ ሓሽከር ንጉስን ፀዊዑ፥ “ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ስለ ዘይገበሩ፥ እቲ ኣባና ወሪዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ኣብዙይ ዝተረኽበ መፅሓፍ ዘሎ ቓል ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፉ ህዝብን ንእግዚኣብሄር ጠይቑ” ኢሉ ኣዘዞም። ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ። ንሳ ኣብቲ ናይ ኢየሩሳሌም ክፋል ከተማ እትቕመጥ ነበረት። ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቂዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ነቲ ዝኾነ ነገር ነገርዋ። ንሳ ድማ ኸምዙይ በለቶም፦ “ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በልዎ፦ እንሆ፥ ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ መርገም ነቲ ንጉስ ከዓ ዘንበቡሉ ንኢየሩሳሌምን ንህዝባን መከራ ኸውርደሎም እየ። ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፥ ብኢዶም ጣዖታት ብምስራሕ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቝጥዓይ ክነድድ እዩ፤ ኣይጠፍእን ከዓ እዩ። ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሓቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ኸምዙይ በልዎ፦ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕኻዮ ነገር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ዝተነሳህካን ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን፥ ንኢየሩሳሌምን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ክቐፅዖም እየ ዝብል ፍርደይ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን ክዳውንትኻ ስለ ዝቐደድካን ኣብ ቅድመይ ከዓ ስለ ዝበኸኻን ሰሚዐካ ኣለኹ። ስለዙይ ንስኻ ናብ ኣቦታትካ ክትእከብ ኢኻ፤ ናብ መቓብርካውን ብሰላም ክትእከብ ኢኻ። ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌምን ናብቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዘምፅኦ ዅሉ መከራ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።” ንሳቶም ድማ ነዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰዲዱ፥ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣከቦም። እቲ ንጉስን ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን እቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ መፅሓፍ ኪዳን ከዓ ንዅሎም ኣብ ኣእዛኖም ኣንበበሎም። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ነገስታት ደው ዝብሉሉ ዓምዲ ደው ኢሉ፥ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ንእግዚኣብሄር ከገልግል፥ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ሕግጋቱን ክሕሉ፥ ነቲ ኣብዚ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ክእዘዝ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣተወ። ንኵሎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ብንያምን ዝነብሩ በዝ ነገር እዙይ ኣምሓለ። ስለዙይ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ቃል ኪዳን ኣምላኽ ኣቦታቶም እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበሩ። ኢዮስያስ ድማ ኻብ ኵሉ ምድሪ ደቂ እስራኤል፥ ኵሉ ርኹስ ዝኾነ ነገር ኣወገዶ። ኣብ እስራኤል ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዘገልግልዎ ገበሮም። ኢዮስያስ ብህይወት ክሳዕ ዝነበረሉ ዘመን ድማ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ካብ ምምላኽ ኣይረሓቑን። ኢዮስያስ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋሲካ ኣብዓለ፤ በታ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። ኢዮስያስ ድማ ነቶም ካህናት በብእቲ ዝተውሃቦም ሓላፍነት መደቦም፤ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄርውን ብትግሃት ከገልግሉ ኣተባብዖም። ነቶም ንዅሉ እስራኤል ዝምህሩ፥ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ ቕዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ ኣቕምጥዎ፤ ደጊም ኣብ ማእገርኩም ኣይትፆርዎን ኢኹም። ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም። ከምቲ ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ሰሎሞን ወዱን ብፅሑፍ ዝኣዘዝዎ በብማይ ቤት ኣቦታትኩም፥ በብኽፍልኹም ተዳለዉ። “ንስኻትኩም በብማይ ቤት ተመዲብኩም ነንኽፍሊ ማይ ቤት ህዝቢ እስራኤል ክተገልግሉ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ቁሙ፤ መስዋእቲ ፋሲካውን ሕረዱ። ንስኻትኩምውን ተቐደሱ፤ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ምእንቲ ኽፍፅሙስ፥ ነሕዋትኩም ኣዳልዉሎም።” ንጉስ ኢዮስያስ ድማ እቶም ደቂ ህዝቢ ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎ፥ ካብ መጓሰኡ ሰላሳ ሽሕ ጡበታትን ወጣጡን ሰለስተ ሽሕ ኣብዑርን ሃቦም። እቶም ሹመኛታቱውን ብፍቓዶም ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝኸውን፥ ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሃብዎም። እቶም ኣሕሉቕ ቤት እግዚኣብሄር ዝኾኑ ኬልቅያስን ዘካርያስን ይሒኤልን ድማ እቶም ካህናት ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎም ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእቲ ጡበታትን ወጣጡን ሰለስተ ሚእቲ ኣብዑርን ሃብዎም። እቶም ኣሕሉቕ ሌዋውያን ዝኾኑ ኮናንያን ሸማያን ናትናኤልን ኣሕዋቱን ሓሸብያን ይዒኤልን ዮዛባትን ድማ፥ ሌዋውያን ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎም ሓሙሽተ ሽሕ ጡበታትን ወጣጡን ሓሙሽተ ሚእቲ ኣብዑርን ሃብዎም። ኵሉ ኸምዙይ ኢሉ ምስተዳለወ፥ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብትእዛዝ ንጉስ በብኽፍሎም ኣብ በቦታኦም ቆሙ። መስዋእቲ ፋሲካ ሓረዱ እሞ፥ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢድ ሌዋውያን እናተቐበሉ፥ ኣብቲ መሰውኢ ነፀግዎ። እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ገፈፍዎ። ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምእንቲ ኸቕርቡሉን፥ ነቶም ህዝቢ በብኽፍሊ ማይ ቤት ኣቦታቶም ምእንቲ ኽዕድልዎምን፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ስጋ ፈለይዎ። ነቶም ኣብዑርውን ከምኡ ገይሮም መቐልዎም። ነቲ መስዋእቲ ፋሲካ ድማ ኸምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፤ ነቲ ቕዱስ መስዋእቲ ኸዓ ብቝራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉ፥ ንዅሎም ነቶም ህዝቢ ቐልጢፎም ዓደልዎም። ድሕሪዙይ ድማ እቶም ሌዋውያን ብምጥባሕ፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሕታትን ብምዕራግ ክሳዕ ለይቲ ስለ ዝሰርሑ፥ እቶም ሌዋውያን ንኣኣቶምን ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮንን ዝበልዕዎ ስጋ ኣዳለዉ። ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ዅሉ እቲ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ዝኸውን በዓል ፋሲካን ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእትን በታ መዓልቲ እቲኣ ተዳለወ። ከምኡ ኸዓ እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል በዓል ፋሲካን በዓል ቅጫን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዓሉ። ካብ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል ጀሚሩ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋሲካ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምቲ ኢዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ኢየሩሳሌምን ዘብዓልዎ ፋሲካ ኻብ ኵሎም ቀዳሞት ነገስታት ሓደ እኳ ኸምኡ ዝገበረ ኣይነበረን። እዝ በዓል ፋሲካ እዙይ ኢዮስያስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ተገብረ። ድሕሪዙይ ኢዮስያስ ኵሉ ንቤተ መቕደስ ዘድሊ ምስ ገበረ፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ኣብ ከርከሚሽ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ክዋጋእ ኢሉ ምስ ተልዓለ፥ ኢዮስያስ ከዓ ኽዋግኦ ወፀ። ኒካዑ ግና ልኡኻት ሰዲዱ “ኣታ ንጉስ ይሁዳ፥ ምሳኻ እንታይ ባእሲ ኣለኒ? ኣነስ ናብቲ ዝዋግአኒ ዘሎ ፀላእየይ እየ ዝመፅእ ዘለኹ እምበር ናባኻ ኣይኮንኩን። ኣምላኽ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ ኣሎ፤ ስለዙይ እቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ከየጥፍአካስ ኣይትቃወመኒ” በሎ። ኢዮስያስ ግና ኽዋጋእ ተበረታተዐ እምበር፥ ገፁ ኻብኡ ኣይመለሰን፤ ካልእ ሰብ ምእንቲ ኽመስል ኢሉ ኸዓ ኽዳውንቱ ለወጠ። ነቲ ብኣፍ እግዚኣብሄር ዝተነግረ ቓል ኒካዑ ኣይሰምዖን፤ ስለዙይ ኣብ ለሰ መጊዶ ኽዋጋእ ከደ። ንጉስ ኢዮስያስ ብወርወርቲ ዂናት ተወግአ፤ ንሓሻኽሩ ድማ “ብብርቱዕ ተወጊአ እየ እሞ፥ ካብዙይ ኣውፅኡኒ” በሎም። ሽዑ ሓሻኽሩ ኻብቲ ሰረገላኡ ኣውሪዶም ናብታ ኣብኡ ዝነበረት ካልአይቲ ሰረገላኡ ኣሕለፍዎ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣብፅሕዎ ድማ፥ ንጉስ ኢዮስያስ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐበረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከዓ ንኢዮስያስ ሓዘኑሉ። ነቢይ ኤርሚያስ ንኢዮስያስ ኣልቀሰሉ፤ ኵሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ንኢዮስያስ ዘኪሮም ከልቅሱ እንተለዉ ኽሳዕ ሎሚ ነቲ መልቀሱ ይደግምዎ ነበሩ። እዙይ ኣብ እስራኤል ልሙድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ መፅሓፍ መልቀስ ተፅሒፉ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን፥ እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ዘርኣዮ ፍቕሩን ተግባሩን፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ። ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኢዮኣክስ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም ክንዲ ኣቦኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣንገስዎ። ኢዮኣክስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። ንጉስ ግብፂ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ መንግስቱ ሰዓሮ፤ ነታ ሃገር ከዓ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቅን ክትግብር ኣዘዛ። እቲ ንጉስ ግብፂ ድማ ንሓዉ ኤልያቄም ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ፤ ስሙውን ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ፤ ኒካኡውን ንሓዉ ኢዮኣክስ ሒዙ ናብ ግብፂ ወሰዶ። ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ከዓ ተዋግኦ እሞ ብመቝሕ ነሃስ ኣሲሩ ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወሲዱ ድማ ኣብ ባቢሎን ኣብ ቤተ መቅደሱ ኣቐመጦ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣቄም ነገርን እቲ ዝገበሮ ርኽሰትን መዘዝን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተፅሒፉ ኣሎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ። ኢኮንያን ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። እታ ዓመት ምስ ሓለፈት ድማ፥ ንጉስ ናቡከደነፆር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ኽቡር ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንሴዴቅያስ ሓወቦኡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ብእግዚኣብሄር ኣፍውን ዝተዛረበ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ርእሱ ኣየትሓተን። ሴዴቅያስ፥ ካብቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ዓመፀ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስ ከዓ ኽሳዱ ኣትረረ፤ ልቡውን ኣጠንከረ። ኵሎም መራሕቲ ኻህናትን ህዝብን ድማ ኸምቶም ኣረማውያን ጣዖት ብምምላኽ ብዙሕ በደሉ። ነታ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ ቤተ መቕደስውን ኣርከስዋ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከዓ ንህዝቡን ነታ ቤተ መቕደሱን ስለ ዝደንገፀሎም፥ ብልኡኻቱ ገይሩ ጊሓት ጊሓት የጠንቅቖም ነበረ። ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝነድድ፥ ፈውሲውን ክሳዕ ዝሰኣን፥ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት እግዚኣብሄር ኣላገፁሎም፤ ነቲ ቓሉ ኸዓ ነዓቕዎ፤ ነቶም ነቢያቱውን ኣዋረድዎም። ስለዙይ እግዚኣብሄር ንንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊኣቶም ኣተስኦ። ንሱ ነጓብዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተሎም፤ ንመናእሰይን ንደናግልን ንዓበይትን ንኣረጋውያንን ኣይራህርሀሎምን። እግዚኣብሄር ንዅሎም ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ኣሕሊፉ ሃቦም። ንሱ ኸዓ ንዅሉ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ዓቢይን ንእሽተይን፥ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣንደድዋ፤ ነቲ መካበብያ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣፍረስዎ፤ ንዅሉ ኣዳራሻታውን ብሓዊ ኣቃፀልዎ፤ ነቲ ዅሉ ኽቡር ኣቑሑታ ድማ ሰባበርዎ። ነቶም ኵሎም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፥ ክሳዕ መንግስቲ ፋርስ እትለዓል፥ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ኾይኖም ኣገልገልዎ። ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ “እቶም ህዝቢ ነቲ እታ ምድሪ ብሸውዓተ ዓመት ክተዕርፎ ዝግብኣ ዕረፍቲ ሰንበት ስለ ዘይገበሩላ፥ ንሰብዓ ዓመት ክትባድም እያ እሞ ሽዑ ኽንድቲ ዘይሓለውዎ ዕረፍቲ ሰናብቲ ክኾነላ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ትንቢት ተፈፀመ። በታ መጀመርታ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና፥ እቲ ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፥ ንመንግስታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ። ንስኻትኩም ከዓ፥ ኣቱም ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘለኹምዎ ናብ ኢየሩሳሌም ኪዱ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” ኢሉ ኣብ ኵሉ መንግስቱ ኣዋጅ ኣንገረ፤ መሊሱውን ብፅሑፍ ገበሮ። “ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ኸዓ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ቤት ክሰርሐሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ይደይብ። “ኣብ ኵለን ቦታታት ስደቱ ንዝተረፈ ዅሉ ሰብ ድማ፥ ብዘይ ሰብ እታ ቦታ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዝወሃብ፥ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሓግዝዎ።” ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ኽድይቡ እግዚኣብሄር ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ ዅሎም ተስኡ። እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ዅላቶም ከዓ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ዝህብዎ ውህብቶ፥ በቕሓ ብሩርን ወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ውህብቶታትን ሓገዝዎም። ነቲ ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ኣውፂኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንጉስ ቂሮስ ኣውፅኦ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ ብኢድ ሚትሪዳጡ እቲ ተሓዚ መዝገብ ኣውፂኡ ንሹም ይሁዳ ንሰሳብሳር ቈፂሩ ሃቦ። ቍፅሩ ኸዓ፦ ሰላሳ ወርቂ ጭሐሎ፥ ሽሕ ብሩር ጭሐሎ፥ ዕስራን ትሽዓተን ካራታት፥ ሰላሳ ፅዋዕ ወርቂ፥ ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተን ካልእ ዓይነት ፅዋዕ ብሩር፥ ሽሕ ካልእ ኣቕሓ ነበረ። ኵሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ እንተለዉ ሰሳብሳር ነዝ ዅሉ ኣደየቦ። ናቡከድነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበሩሞ፥ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝተመለሱ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ሰራያ፥ ረዕላያ፥ ካብ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ መሴፋር፥ በጉዋይ፥ ሬሑም፥ ምስ በዓና መፁ። ደቂ ፋሮስ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን። ደቂ ሰፋጥያስ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን። ደቂ ኤራ ሸውዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን። ደቂ ፈሓት ሞኣብ ካብ ደቂ ኢያሱን ኢዮኣብን ክልተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን። ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። ደቂ ዛቱዕ ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን። ደቂ ዘካይ ሸውዓተ ሚእትን ስሳን። ደቂ ባኒ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን። ደቂ ቤባይ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ደቂ ዓዝጋድ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዕስራን ክልተን። ደቂ ኣዶኒቃም ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን። ደቂ በጉዋይ ክልተ ሽሕን ሓምሳን ሽዱሽተን። ደቂ ዓዲን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። ካብ ዓሌት ሕዝቅያስ ደቂ ኣጤር ተስዓን ሸሞንተን። ደቂ ቤሳይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ደቂ ዮራ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን። ደቂ ሓሱም ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ደቂ ጋቤር ተስዓን ሓሙሽተን። ደቂ ቤተልሔም ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ሰብ ነጦፋ ሓምሳን ሽዱሽተን። ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን። ደቂ ኣዝሞት ኣርብዓን ክልተን። ደቂ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን። ደቂ ራማን ጌባን ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን። ሰብ ማክማስ ሚእትን ዕስራን ክልተን። ሰብ ቤቴልን ጋይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ደቂ ናባው ሓምሳን ክልተን። ደቂ መጌብስ ሚእትን ሓምሳን ሽዱሽተን። ደቂ እቲ ኻልኣይ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። ደቂ ካሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን። ደቂ ሎድና ሓዲድን ኦኖምን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን። ደቂ ኢያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን። ደቂ ሴናኣ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን። ካህናት፥ ደቂ ዮዳኤ ኻብ ቤት ኢያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን። ደቂ ኢሜር ሽሕን ሓምሳን ክልተን። ደቂ ፋስኮር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን። ደቂ ካሪም ሽሕን ዓሰርተ ሸውዓተን። ሌዋውያን፥ ደቂ ኢያሱን ቀድምኤልን፥ ካብ ደቂ ሆዳይዋ፥ ሰብዓን ኣርባዕተን። ዘመርቲ፥ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን። ደቂ ኣጋፈርቲ፥ ደቂ ሰሎም፥ ደቂ ኣጤር፥ ደቂ ጢልሞን፥ ደቂ ዓቁብ፥ ደቂ ሓጢጣ፥ ደቂ ሶባይ፥ እዚኣቶም ኵላቶም ሚእትን ሰላሳን ትሽዓተን። ናታኒም፤ ደቂ ሲሓ፥ ደቂ ሓሱፋ፥ ደቂ ጠብዖት፥ ደቂ ኬራስ፥ ደቂ ሲዓ፥ ደቂ ፋዶን፥ ደቂ ልባና፥ ደቂ ኣጋባ፥ ደቂ ዓቁብ፥ ደቂ ኣጋብ፥ ደቂ ሰምላይ፥ ደቂ ሓናን፥ ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ጋሓር፥ ደቂ ራያ፥ ደቂ ረኣሶ፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ደቂ ጋሴም፥ ደቂ ዖዛ፥ ደቂ ፋሴሓ፥ ደቂ ቤሳይ፥ ደቂ ኣስና፥ ደቂ ምዑናውያን፥ ደቂ ንፋሰሲም፥ ደቂ በቅቡቅ፥ ደቂ ሓቁፋ፥ ደቂ ሓርሑር፥ ደቂ በስሎት፥ ደቂ ምሒዳ፥ ደቂ ሓርሳ፥ ደቂ በርቆስ፥ ደቂ ሲሳራ፥ ደቂ ቴማ፥ ደቂ ንስያ፥ ደቂ ሓጢፋ። ደቂ ገላዉ ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥ ደቂ የዕላ፥ ደቂ ዶርቆን፥ ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ሰፋጥያስ፥ ደቂ ሓጢል፥ ደቂ ፈክራት ደቂ ሃፂቦይም፥ ደቂ ኣሚ። እዚኣቶም ኵላቶም ናታኒምን ደቂ ኣገልገልቲ ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም። እዚኣቶም ድማ ኻብ ቴልሜላን ካብ ቴላሬሳ ካብ ከሩብ ካብ ኣዳንን ካብ ኢሜርን ዝደየቡ ነበሩ፤ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ዘይከኣሉ፦ ደቂ ዳላያ፥ ደቂ ጦብያ፥ ደቂ ኔቆዳ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን ነበሩ። ካብ ደቂ ካህናት ከዓ፥ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ እቲ ኻብ ኣጓላት ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ቤርዜሊ እዮም። እዚኣቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ፥ ትውልዶም ደለዩ፤ ግናኸ ኣይተረኽቡን፤ ስለዙይ ከም ርኹሳት ተቘፂሮም ካብ ክህነት ተኸልከሉ። ኵሉ እቲ ማሕበር ብምሉኡ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ነበረ። ብዘይ ሓሻኽሮምን ኣግራዶምን፥ ሸውዓተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ነበሩ። ዝዝምሩን ዝዝምራን ድማ ኽልተ ሚእቲ ነበርዎም። ኣፍራሶም ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን፥ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፥ ኣግማሎም ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፥ ኣእዱጎም ሽዱሽተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ነበሩ። ገሊኣቶም ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ከዓ ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ምስ መፁ፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እታ ቦታኣ ኽሰርሕዋ ብፍቓዶም ገንዘብ ሃቡ። ንመዝገብ እቲ ስራሕ ዝኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ምስ በፅሐት ድማ፥ ደቂ እስራኤልውን ኣብ ከተማታቶም እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ናብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ። በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ህዝብታት እታ ሃገር ተሸቢሮም ነበሩ እሞ፥ ነቲ መሰውኢ ኣብቲ ቦታኡ ኣንበርዎ። ብጊሓትን ብምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣቕረቡ። ከምቲ ፅሑፍ ድማ ናይ ዳስ በዓል ኣብዓሉ፤ ከምቲ ስርዓቱ ነንመዓልቲ ዝተመደበ፥ ንመዓልቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብቝፅሪ ኣቕረቡ። ድሕሪዙይ ድማ እቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ናይ ሰርቀ ወርሕን ናይ ኵሉ ቅዱስ በዓላት እግዚኣብሄር ነቲ ናይ ኵሎም ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዝስውእዎን ኣቕረቡ። ካብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ። ንወቐርቲ እምንን ንፀረብቲ ዕንፀይትን ድማ ገንዘብ ሃቡ፤ ከምቲ ብቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝተኣዘዘ ዕንፀይቲ ቄድሮን ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ኢዮጴ ኸምፅኡሎም፥ ንሲዶናውያንን ንጢሮሳውያንን ምግብን መስተን ዘይትን ሃቡ። ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝመፁ ኸዓ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ዮሴያርን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ካብ ምርኮ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተመለሱ ዅላቶምን ኮይኖም፥ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከዓ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ንኽሰርሑ ኣቖምዎም። ሽዑ ኢያሱ ደቁን ኣሕዋቱን፥ ደቂ ይሁዳ ቀድምኤልን ደቁን፥ ደቂ ኤንሓዳድ ከዓ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶም ሌዋውያንን ኮይኖም፥ ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ኽሕልዉ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ደው በሉ። እቶም ሃነፅቲ፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ክስርቱ እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ለቢሶም መለኸት ሒዞም፥ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከዓ ፀናፅል ሒዞም፥ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ቆሙ። ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረጋውያን ከዓ፥ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኣቶም ምስ ተሰረተት፥ ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። እቲ ህዝቢ እውን ብሓጐስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፤ እቲ ድምፂ ኸዓ ኽሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምፂ ሓጐስ፥ ካብ ድምፂ ብኽያት ክፈልዮ ኣይከኣለን። እቶም ፀላእቲ ይሁዳን ብንያምን ከዓ፥ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መቕደስ ከም ዝሰርሑሉ ምስ ሰምዑ፥ ዘሩባቤልን ኢያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ግና፥ “ንሕናስ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ቤት ንሰርሐሉ እምበር፥ ንስኻትኩም ምሳና ዄንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሑሉ ኣይግብአኩምን እዩ” በልዎም። ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር፥ ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፤ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርሕዎም። ነቲ ምኽሮም ከፍርሱ ድማ መኻሮ ብገንዘብ ዓደጉሎም። እዙይ ከዓ ብዅሉ ዘመን ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ። ብዘመን ኣርጤክስስ ከዓ ቢሽላም፥ ሚትሪዳጡ፥ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብፆቱን ናብ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ፀሓፉ። ፅሕፈት እቲ ደብዳበ ኸዓ ብኣራማይስጥ ሬሑም እቲ ሹምን ሲምሳይ እቲ ፀሓፍን ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ከምዙይ ኢሎም ኣንፃር ኢየሩሳሌም ደብዳበ ፀሓፉ፦ “ሽዑ ሬሑም እቲ ሹምን ሲምሳይ እቲ ፀሓፍን እቶም ዝተረፉ ተሓባበርቶም ዲናውያንን ኣፈርሳትካውያንን ጠርፈላውያንን ኣፈርሳውያንን ኣርካውያንን ባቢሎናውያንን ሱስናካውያንን ዴሓውያንን ኤላማውያንን፥ እቶም እቲ ዓቢይን ክቡርን ኣስናፈር ኣግዒዙ ኣብ ሰማርያን ኣብ ማዕዶ ሩባ ዘቐመጦም ካልኦት ኣህዛብን ደብዳበ ፀሓፉ።” ቅዳሕ እታ ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ዝሰደድዋ ደብዳበ እዙይ እዩ፦ “እቶም ኣብቲ ማዕዶ ሩባ ዘለዉ ባሮትካ፦ እቶም ካባኻ ናባና ዝመፁ ኣይሁድ፥ ናባና ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ እሞ ነታ ዓማፂትን ክፍእትን ከተማ ይሰርሕዋ ኸም ዘለዉ፥ መካበብያኣ ኸዓ ኸም ዝፈፀሙ መሰረታ ድማ ኸም ዘፅንዑ፥ ንጉስ ይፍለጥ። ሕዚ ኸዓ እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ተሰሪሓ፥ መካበብያኣውን እንተ ተሓዲሱ፥ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ከም ዘይኸፍሉን ኣታዊ ንጉስውን ከም ዝጐድልን፥ ንጉስ ይፍለጥ። “እምበኣርከስ ንሕና ጨው ቤት ንጉስ እናበላዕና፥ ንንጉስ እንተቃልልዎ ስቕ ኢልና ምርኣይ ኣይግበአናን እዩሞ፥ ልኢኽና ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና። ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ኣቦታትካ ምርመራ ይገበር። እዛ ኸተማ እዚኣ ዓማፂት ከተማ ኸም ዝኾነት፥ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጐድአት፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪኽ ክትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት። እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ደኣ ተሰሪሓ፥ መካበብያኣ ኸዓ እንተ ተሓዲሱ፥ ሰገር ንየው ሩባ፥ ክፍሊ ኸም ዘይብልካ፥ ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና።” ንጉስውን ንሬሑም ሹምን ንሲምሳይ ፀሓፍን ነቶም ኣብ ሰማርያን ኣብ ካሊእን ኣብ ሰገር ንየው ሩባ ዝተረፉ ብፆቶምን ከምዙይ ኢሉ ምላሽ ሰደደ፦ “ሰላም፤ እታ ናባይ ዝሰደድኩምዋ ደብዳበ ተተርጒማ፥ ብግልፂ ኣብ ቕድመይ ተነቢባ። ኣነ ድማ ኽምርምሩ ኣዘዝኩ። መርመሩ እሞ፥ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ነገስታት ከም ዝተስአት፥ ኣብኣ ድማ ሽፍትነትን ህውከትን ከም ዝተገብረ ተረኽበ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ንሰገር ሩባ ዝነበረ ዅሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፤ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ይቕበሉ ነበሩ። እምበኣርከስ ካባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዝወሃብ፥ እቶም ሰባት ስራሕ ከቑሙ፥ እታ ኸተማ ኸዓ ኸይትስራሕ ኣዝዙ። በዝ ነገር እዙይ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። እቲ ንነገስታት ዝጐድእ ክፉእ ነገር ስለ ምንታይ እናበዝሐ ዝኸይድ?” እታ ቕዳሕ ደብዳበ ንጉስ ኣርጤክስስ ኣብ ቅድሚ ሬሑምን ሲምሳይ ፀሓፍን ኣብ ቅድሚ እቶም ብፆቶምን ምስ ተነበበት፥ ቀልጢፎም ናብ ኢየሩሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከዱ እሞ፥ ብቕልፅምን ብሓይልን ካብ ምስራሕ ኣብኰርዎም። እቶም ነቢያት ከዓ፥ ነቢይ ሓጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን፥ ነቶም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ንኣኣቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዩሎም። ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ተሲኦም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ዝሕግዝዎም ነቢያት እግዚኣብሄርውን ምስኣቶም ነበሩ። በቲ ጊዜ እቱይ ኣብ ሰገር ማዕዶ ሩባ መስፍን ዝነበረ ተንትናይን ሰተርቡዝናይን እቶም ተሓባበርቶምን ናብኣቶም መፂኦም፦ “ነዝ ቤት እዙይ ክትሰርሕዎ፥ ነዝ መካበብያ እዙይውን ክትሕድሱ መን ኣዘዘኩም?” በልዎም። መሊሶም ድማ “ስም እቶም ነዝ ህንፃ እዙይ ዝሃነፁ መን ይበሃሉ?” ኢሎም ጠየቕዎም። ዓይኒ ኣምላኾም ግና ኣብቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ነበረት እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ናብ ዳርዮስ በፂሑ መልሱ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ስራሕ ኣይከልከልዎምን። ኣብ ማዕዶ ኤፍራጥስ ገዛኢ ዝነበረ ተንትናይን ሰተርቡዝናይን እቶም ኣብ ማዕዶ ኤፍራጥስ ዝነብሩ ብፆቶም ኣፋርሳካውያንን ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዎ ናይ ፅሑፍ፥ ቅዳሕ እዙይ እዩ። እቲ ዝለኣኽዎ ፅሑፍውን ከምዙይ ዝብል ነበረ፦ “ንንጉስ ዳርዮስ፥ ሰላም ይኹን። ንሕና ናብ ግዝኣት ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ከም ዝኸድና፥ ንጉስ ይፍለጥ። ንሳ ኸዓ ብዓበይቲ ኣእማን ትንደቕ ኣላ። ኣብ መናድቓ ድማ ኣዕፃው ይግበሮ ኣሎ። እዝ ስራሕ እዙይ ብጥንቃቐ ይስራሕ ኣሎ፤ ኣብ ኣእዳዎም ከዓ ይሰልጠሎም ኣሎ። “ሽዑ ነቶም ዓበይቲ፤ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሑ፥ ነዚ መካበብያ እዙይውን ክትሕድሱ፥ መን ኣዘዘኩም፥ ኢልና ጠየቕናዮም። ስም እቶም ኣብ ልዕሊኣቶም ዝተሸሙ ሰባት ምእንቲ ኽንፅሕፍሞ ክነፍልጠካ ኢልና፥ ስሞም ጠየቕናዮም። “ዝሃቡና መልሲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ‘ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። እዝ ሕዚ እንሰርሖ ዘለና ቤት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሓደ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑዎ ዝነበረ ቤት ንሰርሕ ኣለና። ኣቦታትና ነቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ምስ ኣቘጥዕዎ ግና፥ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፉ ሃቦም። ንሱ ኸዓ ነዝ ቤት እዙይ ኣፍረሰ፤ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ኣፍለሶ። “ ‘ይኹን እምበር ቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እዝ ቤት እግዚኣብሄር እዙይ ንኽስራሕ ኣዘዘ። ናቡከደነፆር ካብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስ ኣውፂኡ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ዘቐመጦም ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን፥ ንጉስ ቂሮስ ካብ ባቢሎን ቤተ መቕደስ ኣውፅኦ፤ መስፍን ገይርዎ ንዝነበረ ሰሳብሳር ንዝበሃል ድማ ሃቦ። ነዝ ኣቑሑ እዙይ ውሰድ እሞ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ መቕደስ ኣንብሮ፤ እቲ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቕድም ዝነበሮ ቦታ ይሰራሕ በሎ። ሽዑ ሰሳብሳር መፂኡ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር መስረቶ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ይስራሕ ኣሎ፤ ገና ድማ ኣይተፈፀመን።’ “እምበኣር እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ እንተ ደኣ ኣቢልዎስ፥ እዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክስራሕ፥ ካብ ንጉስ ቂሮስ ተኣዚዙ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ቤት መዛግብቲ ንጉስ ይደለ፤ ብዛዕባ እዙይ ከዓ ንጉስ ፍቓዱ ይልኣኸልና።” ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ እቶም ኣብ ባቢሎን ቤተ መዛግብቲ ዘለዉ መፃሕፍቲ ንኽምርመሩ ኣዘዘ። ኣብ ኣሕምታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣዳራሽ፥ እዝ ነገር እዙይ ንመዘከርታ ዝተፅሓፎ ሓደ ዝተጠቕለለ ፅሑፍ ተረኽበ፦ ብቐዳመይቲ ዘመን መንግስቲ ንጉስ ቂሮስ፥ ስለ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም እትስራሕ ቤት እግዚኣብሄር፥ ንጉስ ቂሮስ ዝሃቦ ትእዛዝ እዙይ እዩ፦ “እቲ ቤተ መቕደስ መስዋእቲ ዝስውኡሉ ቦታ እንደገና ይሰራሕ፤ መሰረቱውን ፅኑዕ ይኹን። ቁመቱ ስሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ስሳ እመት፥ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕንፀይቲ ይኹን። መስርሒኡ ኸዓ ኻብ ቤተ መንግስቲ ግምጃ ቤት ይከፈል። እቲ ናቡከደነፆር ካብ መቕደስ ኢየሩሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምፅኦ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን ከዓ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዘሎ ቦታኡ ናብ ቤተ መቕደስ ይመለስ፤ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይቀመጥ።” “እምበኣር፥ ኣታ ተንትናይ መስፍን ሰገር ንየው ሩባ፥ ንስኻ ሽታር ቦዝናይ፥ ንስኻትኩም ከዓ ብፆቶም ሰብ ኣፋርሳክ፥ ሰገር ንየው ሩባ ዘለኹም፥ ካብኡ ረሓቑ። እቲ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰራሕ ሕደግዎም፤ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይቲ ኣይሁድን ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣብቲ ናይ ቀደም ቦታኡ ይስርሕዎ። “ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትገብሩሎም ዝግባእ፥ ነዝ ቤት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሰርሑ፥ እቲ ስራሕውን ምእንቲ ኸይበኵርስ፥ እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ካብቲ ኻብ ሰገር ንየው ሩባ ዝወፀ ግብሪ፥ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ብቕልጡፍ ክወሃብ ኣዚዘ ኣለኹ። ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኸቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከዓ ኽፅልዩስ፥ ኵሉ ዘድሊ ነገር ንኣምላኽ ሰማይ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፥ ኵሉ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ኻህናት ዝበሉኹም፥ በብመዓልቱ ኸየብኰርኩም ሃብዎም። “ነዝ ትእዛዝ እዙይ ዝለወጠ ሰብ ድማ ናይ ገዛኡ ዓምዲ ተነቒሉ ንሱ ይሰቐለሉ። ነዝ ትእዝዝ እዙይ ንምፍራስ ወይ ከዓ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ንምጥፋእ ኢዱ ዘልዕል ዝኾነ ንጉስ ወይ ህዝቢ፥ ስሙ ኣብኡ ኽነብር ዝገበረ ኣምላኽ የጥፍኣዮ፤ ኣነ ዳርዮስ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዚዘ ኣለኹ፤ በጥንቃቐ ድማ ይፈፀም።” ሽዑ ተንትናይ፥ እቲ መስፍንን ሰገር ንየው ሩባን፥ ሰተርቡዝናይን እቶም ተሓባበርቶምን፥ ንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝኣዘዘ፥ ነቲ ስራሕ ብጥንቃቐ ፈፀምዎ። እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከዓ፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነቢይ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ሰሪሖም ፈፀምዎ። እዝ ቤት እዙይ ድማ ብሻድሻይ ዓመት መንግስቲ ዳርዮስ፥ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈፀመ። ደቂ እስራኤል፥ ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፥ ነቲ ምቕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ተሓጒሶም ኣብዓልዎ። ንምቕዳስ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእቲ ዝራብዓት፥ ክልተ ሚእቲ ማጓሉ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ጡበታት፥ ከም ቊፅሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ኣቕረቡ። ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ኻህናት በብስርዓቶም ሌዋውያን በብኽፍሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ኣቖሙ። ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ነፂሆም ነበሩ እሞ ዅላቶም ነፅሁ። እቶም ሌዋውያንውን ነቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ዅላቶምን ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ክደልዩ ኻብ ርኸሰት ህዝቢ እታ ሃገር ተፈልዮም ናብኣቶም መፂኦም ዝነበሩ ዅላቶም በልዑ። እግዚኣብሄር፥ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፥ ንምስራሕ ኣእዳዎም ከፅንዕ ኢሉ፥ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናብኣቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፥ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣኽበሩ። ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ብመንግስቲ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ፥ እዝራ ወዲ ሰራያ፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ ኬልቂያስ፥ ወዲ ሰሎም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ ኣኪጦብ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ዘራእያ፥ ወዲ ኦዚ፥ ወዲ ቡቂ፥ ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥ እዝ እዝራ ካብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ፈጣን ፀሓፊ ነበረ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረት እሞ፥ ዝደለዮ ዅሉ ንጉስ ሃቦ። ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ መዘምራንን ካብ ኣጋፈርትን ካብ ናታኒምን ከዓ ብሻውዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርጤክስስ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ። ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ንጉስ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናብ ኢየሩሳሌም በፅሐ። ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኻብ ባቢሎን ክድይቡ ጀመሩ፤ እታ ሕያወይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረት፥ በታ ሓምሸይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፥ ስርዓትን ፍርድን ከዓ ኣብ እስራኤል ክምህርን ልቡ ኣዳለወ። ንጉስ ኣርጤክስስ ብዛዕባኡ እዝራ፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝተውሃበ ትእዛዛትን ሕግጋትን ዝፅሕፍ ፀሓፊ፥ ዝሃቦ ፅሑፍ እቲ ቅዳሕ እዙይ እዩ፦ “ካብ ንጉሰ ነገስት ኣርጤክስስ፥ ንፀሓፊ ኣምላኽ ሰማይ ንኻህን እዝራ፥ ምሉእ ሰላም ይኹን። “ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ዝደሊ ኣብ መንግስተይ ዘሎ ዅሉ፥ ምሳኻ ይኺድ፥ ኢለ ኣዚዘ ኣለኹ። በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ክትምርምር፥ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን፥ ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ዅሉ ብሩርን ወርቅን ድማ፥ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ውህብቶ፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፥ ካብ ንጉስን ካብቶም ሸውዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ። ሕዚ ድማ በዝ ገንዘብ እዙይ ጌርኩም ዝራብዓትን ማጓሉን ጥቦታትን ምስቲ መስዋእቲ ብልዖምን መስዋእቲ መስተኦምን ተጊህኻ ዓድግ እሞ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ መሰውኢ ቤት ኣምላኽኩም ኣቕርቦም። “በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ከዓ ንኣኻን ነሕዋትካን ቅኑዕ መሲሉ እተርኣየኩም፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም ግበርዎ። እቲ ንምግልጋል ቤት እግዚኣብሄር ዝተውሃበካ ኣቑሑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ሃብ። ንቤት ኣምላኽካ ዘድሊ ኽትህብ ዝግብአካ ኻልእ ነገር ከዓ፥ ካብ ቤት መዝገብ ንጉስ ኣውፂእኻ ሃብ። “ኣነ ንጉስ ኣርጤክስስ ድማ ነቶም ሰገር ንየው ሩባ ዘለዉ ዅሎም ተሓዝቲ መዛግብቲ ኣዚዘ ኣለኹ፤ እቲ ፀሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ ካህን እዝራ ኻባኻትኩም ዝደልዮ ዅሉ ኽሳዕ ሚእቲ መክሊት እቲ ዅሉ ኣምላኽ ሰማይ ዝኣዘዞ፥ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ብጥንቃቐ ይወሃብ። ስለ ምንታይከ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቊጥዓ ዝመፅእ? ንዅላቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዘመርትን ኣጋፈርትን ናታኒምን ነዝ ቤት ኣምላኽ ዘገልግሉን ድማ፥ ዝኾነ ግብርን ፈሰስን ቀረፅን ክወድቆም ከም ዘይግባእ ነፍልጠኩም ኣለና። ንስኻ እዝራ ድማ፥ ከም መጠን እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽካ ነቲ ሰገር ንየው ሩባ ዘሎ ዅሉ ህዝቢ ዝዳንዩ፥ እቶም ሕጊ ኣምላኽካ ዝፈልጡ ዅላቶም ፈረድትን ዳኛታትን ሹመሎም። ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ እንተ ሃልዩ ኸዓ መሃርዎ። ንሕጊ ኣምላኽካን ሕጊ ንጉስን ዘይፍፅም ከዓ ንሞት ወይ ንስደት ወይ ንዕዳ ብገንዘብ፥ ወይ ንማእሰርቲ ብቕልጡፍ ይፈረዶ።” “ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ከኽብር ኢሉ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፥ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኵላቶም ሓያላት ኣሕሉቕ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸዓ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኹ፤ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ክድይቡ ኣሕሉቕ ኣከብኩ።” እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እዚኣቶም እዮም፤ እቶም ብመንግስቲ ንጉስ ኣርጤክስስ ኻብ ባቢሎን ምሳይ ዝደየቡ ኸዓ መፅሓፍ ወለዶኦም እዙይ እዩ፦ ካብ ደቂ ፊንሃስ፥ ጌርሶን፤ ካብ ደቂ ኢታምር፥ ዳንኤል፤ ካብ ደቂ ዳዊት፥ ሓጡስ፤ ካብ ደቂ ሴኬንያ፥ ካብ ደቂ ፋሮስ፥ ዘካርያስ፤ ከምቲ ፅሑፍ ትውልዶም ከዓ ምስኡ ሚእትን ሓምሳን ኣወዳት ብትውልዲ ተቘፀሩ። ካብ ደቂ ፋሓት፥ ሞዓብ፤ ኤሊሆዔናይ ወዲ ዘራእያ፤ ምስኡ ድማ ኽልተ ሚእቲ ኣወዳት። ካብ ደቂ ሴኬንያ፥ ወዲ የሕዚኤል፤ ምስኡ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣወዳት። ካብ ደቂ ዓዲን ድማ፥ ዔቤድ ወዲ ዮናታን፤ ምስኡውን ሓምሳ ኣወዳት። ካብ ደቂ ዔላም ከዓ፥ የሻያ ወዲ ጎቶልያ፤ ምስኡውን ሰብዓ ኣወዳት። ካብ ደቂ ሰፋጥያስ ድማ፥ ዝባድያ ወዲ ሚካኤል፤ ምስኡውን ሰማንያ ኣወዳት። ካብ ደቂ ኢዮኣብ፥ ኣብድዩ ወዲ ይሒኤል፤ ምስኡ ድማ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ኣወዳት። ካብ ደቂ ሰሎሚት ከዓ፥ ወዲ ዮሲፍያ፤ ምስኡ ድማ ሚእትን ስሳን ኣወዳት። ካብ ደቂ ቤባይ ከዓ፥ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፤ ምስኡውን ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳት። ካብ ደቂ ዓዝጋድ ድማ፥ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፤ ምስኡውን ሚእትን ዓሰርተን ኣወዳት። ካብ ደቂ ኣዶኒቃም ድማ እቶም ዳሕረዎት ስሞም እዙይ እዩ፦ ኤሊፋላት፥ ይዑኤል፥ ሸማያ፥ ምስኣቶምውን ስሳ ኣወዳት። ካብ ደቂ በጉዋይ ከዓ፤ ዑታይን ዘቡድን፥ ምስኣቶምውን ሰብዓ ኣወዳት። ነቶም ህዝቢ ናብ ኣህዋ ኣቢሉ ናብ ዝውሕዝ ሩባ ድማ ኣከብክዎም። ኣብኡ ኸዓ ሰለስተ መዓልቲ ሰፈርና። ንህዝብን ካህናትን ቈፂረ ኣብኡ ኻብ ደቂ ሌዊ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። ሽዑ ነቶም ኣሕሉቕ፥ ናብ ኣልኣዛር፥ ናብ ኣርኤል፥ ናብ ሸማያ፥ ናብ ኤልናታን፥ ናብ ያሪብ፥ ናብ ኤልናታን፥ ናብ ናታን፥ ናብ ዘካርያስ፥ ናብ ሜሱላም፥ ናብቶም መምህራን ከዓ ናብ ዮያሪብን ናብ ኤልናታንን ለኣኽኩ። ናብቲ ኣብ ቦታ ካሲፍያ ሓለቓ ዝነበረ፥ ናብ ኣዶ ሰደድክዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቦታ ቤተ መቕደስ ካሲፍያ ንዝነበሩ ንኣዶን ነሕዋቱን ንናታኒምን፥ ንቤት ኣምላኽና ኣገልገልቲ ምእንቲ ኽሰዱልና ኸዓ፥ ክዛረብዎም ዝግብኦም ቃላት ነጊረ ሰደድክዎም። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ስለ ዝነበረት፥ ካብ ደቂ ሞሖሊ የመና ብልሂ ዝነበረ ሰብኣይ፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ እስራኤል ሰራብያ ድማ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ሸሞንተ ኣምፅኡልና። ከምኡውን ንሓሸብያ፥ ምስኡ ድማ ንየሻያ ኻብ ደቂ ሜራሪ ምስ ኣሕዋቱን ደቆምን ዕስራ ኣወዳት ኣምፅኡልና። ካብ ናታኒም ድማ ዳዊትን ኣሕሉቕን ንሌዋውያን ከገልግሉ ዘመረፅዎም ክልተ ሚእትን ዕስራን ናታኒም ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ዅላቶም ሰደዱልና። እዚኣቶም ኵሎም በብስሞም ተመዝገቡ። ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ። ንንጉስ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንዝደልይዎ ዅላቶም ንፅቡቕ፥ ስልጣኑን ቍጥዓኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሓድግዎ ዅላቶም ከም ዝኾነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፥ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኻብ ፀላእቲ ኸድሕኑና፥ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሓፈርኩ። ብዛዕባ እዙይ ከዓ ፆምናን ናብ ኣምላኽና ፀለናን፤ ንሱ ድማ ሰምዐና። ካብ ሊቃነ ኻህናት ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሰባትን፥ ሰራብያን ሓሸቢያን፥ ምስኣቶም ድማ ኻብ ኣሕዋቶም ዓሰርተ ፈለኹ። እቲ ንጉስን መማኽርቱን ኣሕሉቑን፥ እቶም ካብ እስራኤል እተረኽቡ ዅላቶምን ንቤት ኣምላኽና ዝቐደስዎ ውህብቶኦም ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን መዚነ ሃብክዎም። ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን መክሊት ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝተቐደስኩም ኢኹም፥ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናይ ፍቓድ ውህብቶ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ካህናትን ሌዋውያንን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ኽፍልታት ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመዝኑ ተጠንቀቑን ሓልዉን” በልክዎም። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ናብ ቤት ኣምላኽና ናብ ኢየሩሳሌም ክወስድዎ ወርቅን ኣቑሑን ብሚዛን ተረከቡ። ብቐዳመይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ክንከይድ፥ ካብ ሩባ ኣህዋ ተልዓልና። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ነበረት እሞ ኣብ መንገዲ ኻብ ኢድ ፀላእን ካብ ዘድብዩን ኣድሓነትና። ናብ ኢየሩሳሌም ድማ በፃሕና፤ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ቀነይና። በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እቲ ብሩርን ወርቅን እቲ ኣቑሑን፥ ኣብ ቤት ኣምላኽና ብኢድ ሜሪሞት ወዲ ኻህን ኦርዮ ተመዘነ። ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሓስ ነበረ፤ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሌዋውያን፥ ዮዛባት ወዲ ኢያሱን፥ ኖዓድያ ወዲ ቢንዊን ነበሩ። ኵሉ ተቘፀረን ተመዘነን፤ በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ ዅሉ እቲ እተመዘነ ተመዝገበ። እቶም ኣብ ምርኮ ነይሮም ዝመፁ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት ስለ ዅሎም እስራኤል፥ ተስዓን ሽዱሽተን ማጓሉ፥ ሰብዓን ሸውዓተን ጡቦታት፥ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዝ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ነበረ። እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ሰገር ንየው ሩባ ንዝነብሩ መሳፍንትን ሃብዎም። ንሳቶም ድማ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ። እዝ ነገር እዙይ ምስ ተወድአ ድማ፥ እቶም ኣሕሉቕ ናባይ ቀሪቦም ከምዙይ በሉ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ከምቲ ናይ ከነዓናውያን ናይ ኬጢያውያን፥ ናይ ፌርዛውያን፥ ናይ ኢያቡሳውያን፥ ናይ ኣሞናውያን፥ ናይ ሞኣባውያን፥ ናይ ግብፃውያንን፥ ናይ ኣሞራውያንን ርኽሰት ይገብሩ ኣለዉ እምበር፥ ካብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈለዩን። እዙይ ከዓ ንኣኣቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፥ ነቲ ቕዱስ ዘርኢ ኸዓ ምስ ኣህዛብ ምድሪ እዘን ሃገራት እዚኣተን ስለ ዝሓወሱ እዩ። ነዝ ዓመፃ እዙይ ዋናታት ዝኾኑውን እቶም መራሕቶምን ሹመኛታቶምን እዮም” በሉኒ። ነዝ ነገር እዙይ ምስ ሰማዕኹ ድማ፥ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፤ ፀጒሪ ርእሰይን ጭሕመይንውን ነፀኹ፤ ሓዚነ ድማ ኮፍ በልኩ። ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዝፈርሑ ዅላቶም ብዛዕባ ዓመፃ እቶም ካብ ምርኮ እተመለሱ ናባይ ተኣከቡ። ኣነ ኸዓ ኽሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ሓዚነ ኾፍ በልኩ። ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ድማ ምስ ቅዱድ ክዳነይን ባርኖሰይን ካብ ሓዘነይ ተሳእኹ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኹ። ከምዙይ ኢለ ድማ ፀለኹ፦ “ኦ ኣምላኸይ፥ ሓጢኣትና ልዕሊ ርእስና በፂሑ፤ ኣምላኸይ፥ ገፀይ ናባኻ ቕንዕ ምባል የሕፍረንን የፍርሐንን። ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና። “ሕዚ ግና ተረፍ ክሓድገልናን ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሽኻል ክህበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኸብርሀልናን፥ ኣብ ባርነት እንተለና ቑሩብ ምሕዳስ ህይወት ክህበናን፥ ንቑሩብ ጊዜ ሞገስ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተውሂቡና ኣሎ። ንሕና ባሮት ኢናሞ፥ ኣምላኽና ግና ብባርነትና ኣይሓደገናን፤ ምሕዳስ ህይወት ምእንቲ ኽህበና፥ ቤት ኣምላኽናውን ክንሰርሕ፥ እቲ ዝፈራረሰ ቅፅርውን ክንሕድስ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ቅፅሪ ኽግበረልና ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረቱ ሃበና። “እዝ ዅሉ ዝበፅሐና ብሰንኪ ኽፉእ ስራሕናን ብሰንኪ ብዙሕ በደልናን እዩ፤ ንስኻ ኣምላኽና ግና፥ ከም ብዝሒ በደልና ኣይቐፃዕኻናን፤ እኳ ድኣ ተረፍ ሃብካና እምበር። ትእዛዝካ ኽነፍርስ ተመሊስና ኢናሞ፥ ምስ እዞም ርኹስ ስራሕ ዝሰርሑ ኣህዛብውን ተዋሲብና ኢናሞ፥ ካባና ኻብ ሞት ዘምልጥ ኽሳዕ ዘይህሉ ፈፂምካ ኣይትቈጠዐና። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኒሀና፤ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዓመፃና ኣለና፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ዝኽእል የለን።” እዝራ እናፀለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፥ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገፁ ወዲቑ እንተሎ፥ ካብ እስራኤል፥ ሰብኡትን ኣንስትን ህፃናትን የመና ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ። ካብ ደቂ ዔላም ሴኬንያ ወዲ ይሒኤል ንእዝራ ኸምዙይ በሎ፦ “ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕዚ ኸዓ በዝ ነገር እዙይ ንእስራኤል ገና ተስፋ ኣሎ። እምበኣርከስ ሕዚ ኸም ምኽሪ ጐይታይን ከም ምኽሪ እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሑን ሰባት፥ ንዅለን ኣንስትን እቶም ካብኣተን እተወለዱን ንስደድ፤ ምስ ኣምላኽና ቃል ኺዳን ንእቶ፤ ከም ሕጉውን ይፈፀም። እዝራ፥ እዝ ነገር እዙይ ንኣኻ ይግባእ እዩሞ ተስእ፤ ተቢዕኻ ግበሮ፤ ንሕናውን ምሳኻ ኢና።” ሽዑ እዝራ ተሲኡ ነሕሉቕ ካህናትን ንሌዋውያንን ንዅላቶም እስራኤልን እዝ ነገር እዙይ ክፍፅሙ ኣምሓሎም፤ ንሳቶም ከዓ መሓሉ። እዝራ ድማ ኻብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ተሲኡ፥ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሴብ ኣተወ። ናብኡ ኸይዱ ኸዓ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጒሂ ነበረ እሞ እንጀራ ኣይበልዐን ማይውን ኣይሰተየን። እቶም ደቂ ምርኮ ዅሎም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ ድማ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣዋጅ ተነግረ። ከም ምኽሪ እቶም ኣሕሉቕን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመፀ፥ ገንዘቡ ይወረስ፤ ንሱ ድማ ኻብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወፁ ይፈለ ተብሂሉ ተኣወጀ። ኣብ ውሽጢ እተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ። ብታሽዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኵሎም እቶም ህዝቢ በዝ ነገር እዙይን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናንቀጥቀጡ ኣብ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኮፍ ኢሎም ነበሩ። እዝራ እቲ ኻህን ከዓ ብድድ ኢሉ “ንስኻትኩም ንዓመፅ እስራኤል ክተብዝሑ፥ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውኩም በደልኩም። ሕዚ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ተናዘዙ፤ ፍቓዱውን ፈፅሙ፤ ኣብ ዙርያኻትኩም ካብ ዘለዉ ኣህዛብን ካብተን ጓኖት ኣንስትኹምን ተፈለዩ” በሎም። ሽዑ ዅሎም እቶም ጉባኤ፥ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከምዙይ ኢሎም መለሱ፦ “ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብአና እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ብዙሕ እዩ፤ ጊዜኡ ኸዓ ጊዜ ዓቢዪ ዝናም እዩሞ፥ ኣብ ደገ ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዝ ነገር እዙይ ብዙሕ በዲልና ኢና እሞ፥ እዝ ስራሕ እዙይ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ስራሕ ኣይኮነን። ስለዙይ እቶም ኣሕሉቕና ኽንዲ እቲ ጉባኤ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝረኸበና ብርቱዕ ቝጥዓ ኣምላኽና ኻባና ኽሳዕ ዝምለስ እቶም ኣብ ከተማታትና ዘለዉ፥ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ፥ ምስኣቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ዅለን ከተማታትን ብምዱብ ጊዜ ይምፅኡ።” ዮናታን ወዲ ኣሳሄልን የሕዝያ ወዲ ቴቁዋን ጥራሕ ነዙ ነገርዙይ ተቓወሙ፤ ሜሱላምን ሳባታይ ሌዋዊን ከዓ ደገፍዎም። እቶም ደቂ ምርኮውን ከምኡ ገበሩ። እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኵላቶም በብስማቶም ፈለይዎም። ብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዝ ነገር እዙይ ክምርምሩ ተቐመጡ። ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ዅሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ። ካብ ደቂ ካህናት ከዓ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ሰባት ተረኸቡ፤ ካብ ደቂ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ኣሕዋቱን ድማ ማዕሴያን ኣልኣዛርን ያሪብን ጎዳልያስን፥ ኣንስቶም ክፈትሑ ኣእዳዎም ሃቡ። ስለ በደሎምውን፥ ካብ መጓሰኦም ሓድሓደ ማጕላ መስዋእቲ ኣቕረቡ። ካብ ደቂ ኢሜር ድማ፥ ኣናኒ ዝባድያ። ካብ ደቂ ካሪም ከዓ መዕሴያ ኤሊያስን ይሒኤልን ዖዝያን። ካብ ደቂ ፋስኩርውን፥ ኤልዮዔናይ፥ መዕሴያ፥ ይስማኤል፥ ናትናኤል፥ ዮዛባት ኤልዓሳ። ካብ ሌዋውያን ድማ፥ ዮዛባት ሰሜዒ ቆሊጣስ ዝበሃል ቆልያ፥ ፈታያ፥ ይሁዳ፥ ኣልዓዛር። ካብ መዘምራንውን፥ ኤልያሴብ፥ ካብ ሓለውቲ በሪ ሰሎም፥ ጤሌም፥ ኡሪ። ካብቶም ካልኦት ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ዘርኢ ፋሮስ፥ ራምያ፥ ይዝያ፥ መልክያ፥ ሚያሚን፥ ኣልዓዛር፥ መልክያ፥ በናያስ። ካብ ደቂ ዔላም፥ ሙታንያን፥ ዘካርያስ፥ ይሒኤል፥ ዓብዲ፥ ይሬሞት፥ ኤልያ። ካብ ደቂ ዛቱዕውን ኤልዮ ኤናይ፥ እልያሴብ፥ ሙታንያ፥ ይሬሞት፥ ዛባድን ዓዚዛ። ካብ ደቂ ቤባይ ከዓ ይሆሓና ሓናንያ ዘባይን ዓጥላይ። ካብ ደቂ ባኒ ድማ ሜሱላም፥ መሉክ፥ ዓዳያ፥ ያሱብ፥ ሸኣል፥ ራሞት። ካብ ደቂ ፈሓት ሞኣብ ከዓ ዓድና፥ ክላል፥ በናያስ፥ መዕሴያ፥ ሙታንያ፥ ባስልኤል፥ ቢንዊ፥ ምናሴ። ካብ ደቂ ካሪም ድማ ኣልዓዛር፥ ይሺያ፥ መልክያ። ሸማያ፥ ስምኦን፥ ብንያም፥ መሉክ፥ ሰማራያ። ካብ ደቂ ሓሱም፥ መትናያ፥ መተታ፥ ዛባድ፥ ኤሊፋላት፥ ይሬማይ፥ ምናሴ፥ ሰሜዒ። ካብ ደቂ ባኒ፥ መዕዳይ፥ ዓምራም፥ ኡኤል፥ በናያስ፥ ቤድያ፥ ኬልቅያ፥ ወንያ፥ ሜሪሞት፥ ኤልያሴብ፥ መታንያ፥ መትናይ፥ የዕሱ፥ ባኒ ቢንዊ ሰሜኢ፥ ሰሌምያ፥ ናታን፥ ዓዳያ፥ መክናድባይ፥ ሴሴይ፥ ሸራይ፥ ኤዝርኤል፥ ሴሌምያን፥ ሰማራያ፥ ሰሎም ኣማርያ፥ ዮሴፍ። ካብ ደቂ ናባው፥ ይዔኤል፥ መቲትያ፥ ዛባድ፥ ዘቢና፥ ያዳይ፥ ኢዮኤል፥ በናያስ እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፤ ካብኣተንውን ዝወለዳሎም ኣንስቲ ነበራ። ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ካሴሉ ኣነ ነህምያ ኣብ ቅፅሪ ሱሳን ነበርኩ። ካብ ኣሕዋተይ ሓደ ሓናኒን ካልኦት ሰባትን ካብ ይሁዳ መፁ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዘምለጡን፥ ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ጠየቕክዎም። ንሳቶም ድማ “እቶም ካብ ምርኮ ዝደሓኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱን፥ ኣብ ሃገሮም ብብዙሕ መከራን ፀርፍን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከዓ ፈሪሱ እዩ፤ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂሉ እዩ” ኢሎም ነገሩኒ። እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰማዕኹ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐሚጠ በኸኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እፀውምን እፅልን ነበርኩ። “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ! ዓቢይን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ ነቶም ዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን ቃል ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ እዝ ኣነ ባርያኻ ሎሚ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝፅልዮ ዘለኹ ፀሎት ብእዝንኻ ፅን ኢልካ ስምዐኒ፤ ኣዒንትኻ ይከፈታ፤ እቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤልውን እናዘዘልካ ኣለኹ፤ ኣነን ቤት ኣቦይንውን በዲልና ኢና። ንሕና የመና በዲልናካ ኢና፤ ነቲ ብሙሴ ባርያኻ ጌርካ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕግጋትን ስርዓታትን ድማ ኣይሓለናዮን። ናባይ እንተ ተመሊስኩምን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፥ እቶም ካባኻትኩም ፋሕ ዝበሉ፥ ክሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ተበተኑ፥ ካብኡ ኽእክቦም እየ፤ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኽነብር ዝሓረኽዋ ስፍራ ድማ ኸምፅኦም እየ።’ “ንሳቶም ብዓብዪ ሓይልኻን ብብርቱዕ ቅልፅምካን ዝተቤዘኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም። ኦ ጐይታ፥ እዝንኻ፥ ፀሎት ባርያኻን ፀሎት እቶም ስምካ ኽፈርሑ ዝፈትዉ ባሮትካን ይስማዕ። በይዛኻ፥ ሕዚ እውን ንኣይ ንባርያኻ ኣቕንዐለይ፤ ኣብ ቅድሚ እዝ ሰብ እዙይ ከዓ ምሕረት ሃበኒ።” ኣነ ድማ ናይ ንጉስ ኣሰላፊ ወይኒ ነበርኩ። ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ ካብቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ወይኒ ወሲደ ንንጉስ ሃብክዎ። ቅድም ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ሓዘን እነብር ነበርኩ። ሽዑ የመና ፈራሕኩ፤ መሊሰ ኸዓ “ንጉስ ንዘለኣለም ንበር፤ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ፥ ፈሪሳ፥ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂለን ደኣ፥ ገፀይ ከመይ ዘይሓዝን?” በልክዎ። እቲ ንጉስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ሽዑ ኣነ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ፀለኹ። መሊሰ ድማ “ንጉስ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ሓሽከርካ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ሞገስ ረኺበ፥ ነታ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ኸም ብሓድሽ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ” በልክዎ። እታ ንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ እንተላ፥ እቲ ንጉስ ድማ፥ “ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ጊዜ የድልየካ? መኣዝከ ትምለስ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ኣነ ኸዓ ነቲ ንጉስ ዘመኑ ቘፂረ ነገርክዎ። እቲ ንጉስውን ተሓጒሱ ኽሰደኒ ደለየ። መሊሰ ድማ “ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ፥ እቶም ኣብ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ዘለዉ መሳፍንቲ፥ ክሳዕ ምድሪ ይሁዳ ዝበፅሕ ምእንቲ ኸሕልፉኒ፥ ትእዛዝካ ብፅሑፍ ይወሃበኒ” በልክዎ። ከምኡ እውን “ንደገታት ቤተ መቕደስን ንቕፅሪ እታ ኸተማን ነታ ኣነ ዝኣትዋ ቤትን መስርሒ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኽህበኒ፥ ንኣሳፍ ሓላዊ ዱር ንጉስ ዝወሃብ መልእኽቲ ፀሓፈለይ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ ዝነበረት ድማ ዝጠየቕኩዎ ሃበኒ። እቲ ንጉስ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ። ናብ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ምስ በፃሕኹ ድማ እቲ ናይ ንጉስ መልእኽትታት ነቶም መሳፍንቲ ሃብክዎም። ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ንደቂ እስራኤል ፅቡቕ ዝሓስበሎም ሰብ ከም ዝመፀ ምስ ሰምዑ የመና ጐሃዩ። ናብ ኢየሩሳሌም ከዓ ኸድኩ፤ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ተቐመጥኩ፥ ብለይቲ ተሳእኹ፤ ምሳይ ድማ ውሑዳት ሰባት ነበሩ። እቲ ኣነ ንኢየሩሳሌም ክገብረላ፥ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሃበኒ ኸዓ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። እንትርፊ እታ ኣነ ተቐሚጠያ ዝነበርኩ እንስሳ ኻልኦት እንስሳ ምሳይ ኣይነበራን። ብለይቲ ድማ በታ ናይ ሽንጥሮ ደገ ወፃእኹ፤ ኣብ መንፅር ዒላ ገበልን ኣብ ደገ መጕሓፍን ኣቢለ ኸዓ፥ እቲ ዝፈረሰ ቕፅሪ ኢየሩሳሌምን እቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ደገታታን ረአኹ። ናብታ ደገ ዔላን ናብቲ ሓፅቢ ንጉስን ድማ ሓለፍኩ። እታ ተቐሚጠያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ግና ኣይነበረን። ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ በቲ ሩባ ሩባ እናደየብኩ ነቲ ቕፅሪ እሪኦ ነበርኩ። ድሕሪዙይ ዘወር ኢለ በታ ናይ ሽንጥሮ ደገ ኣትየ ተመለስኩ። እቶም ናይታ ኸተማ ኣሕሉቕ ግና ኣነ ናበይ ከም ዝኸድኩን እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኣይሁድ፥ ንኻህናት ወይ ንዓበይቲ ወይ ንሹመኛታት ወይ ነቶም ካልኦት ስራሕ ክሰርሑ ዘለዎም ፈፂመ ኣይነገርኩን። ሽዑ ኣነ፥ “ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ መከራ ኸም ዘለና፥ ኢየሩሳሌምውን ባዲማ፥ ደገታታ ኸዓ ብሓዊ ኸም ዝተቓፀለ ንስኻትኩም ትሪኡ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ንዝመፅእ ጊዜ መሳለቒ ኸይንኸውን፥ ንዑናይ፥ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ንስራሕ” በልክዎም። ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ከም ዝኾነን ከም ዝሓገዘንን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ድማ “ንለዓል እሞ ንስራሕ” በሉ። ነእዳዎምውን ነቲ ፅቡቕ ስራሕ ኣፅንዕወን። ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ጌሳም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፥ ኣላገፁልናን ብንዕቐት ሰሓቑናን። ብምቅላል ድማ፦ “እዝ ንስኻትኩም እትገብርዎ ዘለኹም ነገር እንታይ እዩ? ኻብ ንጉስዶ ኽትዕምፁ ትደልዩ ኣለኹም?” በሉና። ሽዑ ኣነ ኸምዙይ ኢለ መለስኩሎም፦ “ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዐልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተሲእና ኽንሰርሕ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ክፍልን መሰልን መዘከርታን የብልኩምን” በልክዎም። እቲ ዓብዪ ካህን ኤልያሴብ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ፥ ነቲ ቕፅሪ በሪ ኣባጊዕ ነደቕዎን ቀደስዎን፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ። ክሳዕ እቲ ሃሜኣ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ መሐለዊ ግንቢ ሃናንኤልን ድማ ቐደስዎ። ሰብ ኢያሪኮ ኸዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ፤ ዘኩር ወዲ ኣምሪውን ካብኡ ዝቕፅል ነደቐ። ደቂ ሃስናኣውን ነቲ በሪ ዓሳ ዝበሃል ደገ ነደቑዎ፤ ልዳት ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትን ድማ ገበሩሉ። ሜሪሞት፥ ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ ከዓ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሜሱላም ወዲ በራክያ፥ ወዲ ሜሴዜቤል ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሳዶቅ ወዲ በዓና ድማ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ። ቴቁሓውያን ከዓ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ። እቶም ክቡራቶም ግና ናብቲ ስራሕ ጐይታኦም ክሳዶም ኣየዘንበሉን። ዮዳሄ ወዲ ፋሴሓን ሜሱላም ወዲ በሶድያን ከዓ ነቲ ዝኣረገ በሪ ሓደስዎ፤ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁ ድማ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ። ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ድማ መልጥያና እቲ ገባዖናዊን ያዶን እቲ ሜሮኖታዊን እቶም ሰብ ገባዖንን ምፅጳን ክሳዕ ኣዳራሽ እቲ ገዛኢ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ነደቑ። ዑዝኤል ወዲ ሓርሃያ፥ ሰራሒ ወርቂ ኸዓ፥ ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሃናንያ ኻብቶም ቀመምቲ ሽቱ ድማ፥ ካብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ። ንኢየሩሳሌም ከዓ ኽሳዕ እቲ ገፊሕ ቅፅሪ ነደቕዋ። ረፋያ ወዲ ሆር፥ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌም ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ይዳያ ወዲ ኤርማፍ ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ኣብ መንፅር ቤቱ ነደቐ። ሓጡስ ወዲ ኣስበንያ ድማ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ። መልክያ ወዲ ካሪምን ኣሱብ ወዲ ፊሓት ሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግንቢ እቶን ነደቑ። ሰሎም ወዲ ኣሎኤስ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌምን ኣዋልዱን ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ። ሓኖንን ኣብ ከተማ ዛኖዋ ዝነብሩን ከዓ ንበሪ እቲ ለሰ ሓደስዎ፤ ነዲቖምውን መዓፁ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ። ክሳዕ ደገ እቲ ምጕሓፍ ጐድፍ ኣርባዕተ ሚእትን ኣርብዓን ሜትር ዝምንዋሑ ቕፅሪ ሰርሑ። መልክያ ወዲ ሬካብ፥ ሹም ቤትሃካሪም ከዓ ነቲ በሪ መደርበዪ ጐሓፍ ሓደሶ፤ ነዲቑውን መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትን ገበረሉ። ሰሎም ወዲ ኮልሖዜ፥ ሹም ግዝኣት ምፅጳ ድማ ንበሪ ዒላ ሓደሶ፤ ነዲቑውን ከደኖ፤ መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበረሉ። ብዘይ እዙይ ድማ ኻብቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ መሐመሲ ወሽመጥ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዘውርድ መሳልል ዘሎ መንደቕ ሰርሐ። ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፥ ሹም ፍርቂ ቤትፁር፥ ክሳዕ መንፅር መቓብር ዳዊትን ክሳዕ እቲ ዝተሰርሐ መሐመስን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ሓደሰ። ኣብ ጥቓኦም ድማ ሓሸብያ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ቅዒላ፥ ክንዲ ግዝኣቱ ኣልጊቡ ሓደሰ። ብድሕሪኡ በዋይ ወዲ ኤንሓዳድ፥ ሹም እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላን ኣሕዋቱን ሓደሱ። ኣብ ጥቓኡ ድማ ዔፅር ወዲ ኢያሱ ሹም ምፅጳ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንፅር እቲ ናብ ቤት ኣፅዋር ዝወስድ መደያይቦ፥ ኣብቲ መኣዝን ሓደሰ። ብድሕሪኡ ባሮክ ወዲ ዘባይ ካብቲ መኣዝን ጀሚሩ ኽሳዕ በሪ ቤት ኤልያሴብ እቲ ዓብዪ ካህን ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ሓደሰ። ብድሕሪኡ ሜሪሞት ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ፥ ካልእ ክፍሊ ኻብ በሪ ቤተ ኤልያሴብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሴብ ሓደሰ። ብድሕሪኡ እቶም ናይ ቈላ ሰባት እቶም ካህናት ሓደሱ። ብድሕሪኦም ብንያምን ኣሱብን ኣብ መንፅር ቤቶም ዘሎ ሓደሱ። ካብኣቶም ቀፂሉ ኣዛርያስ፥ ወዲ መዕሴያ ወዲ ሓናንያ፥ ኣብ ጥቓ ቤቱ ዘሎ ሓደሰ። ቢንዊ ወዲ ኤንሓደድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያስ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ። ፋላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንፅር እቲ መኣዘንን፥ እቲ ኻብ ላዕለዋይ ቤት ንጉስ ወፃኢ ዘሎ ግንብን፥ ኣብ ጥቓ ሰፈር ሓለውቲ ነደቐ። ብድሕሪኡ ድማ ፈዳያ ወዲ ፋኖስ ሰርሐ። እቶም ናታኒምውን ኣብ ዖፌል ዝቕመጡ፥ ክሳዕ መንፅር ደገ ማይ ብወገን ምብራቕን፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዝነበረ ግንብን ሓደሱ። ብድሕሪኡ እቶም ቴቁሓውያን ካልእ ክፍሊ ኻብ መንፅር እቲ ውፁእ ዓብዪ ግንብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልን ዘሎ ኣዐረዩ። እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ በሪ ኣፍራስ ዘሎ መመንፅር ቤቶም ሓደሱ። ብድሕሪኡ ሸማያ ወዲ ሴኬንያ፥ ሓላዊ በሪ ምብራቕ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደሰ። ብድሕሪኡ ሜሱላም ወዲ በራክያ ኻብ መንፅር ቤቱ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ። ብድሕሪኡ መልክያ፥ እቲ ሰራሒ ወርቂ፥ ክሳዕ ናታኒምን ክሳዕ ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንፅር በሪ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ። ሰራሕቲ ወርቅን ነጋዶንውን ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መኣዘንን ኣብ መንጎ በሪ ኣባጊዕን ዘሎ ሓደሱ። ሰንባላጥ፥ ንሕና ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዐ፥ ተቘጥዐን የመናውን ሓረቐን፤ ብኣይሁድውን ኣላገፀ። ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ሰማርያን ከዓ፦ “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ነቲ ቕፅሪ መሊሶም ክነድቅዎ ድዮም ዝደልዩ ዘለዉ? ክስውኡኸ ድዮም? ብሓደ መዓልቲኸ ኽውድእዎ ድዮም? ካብቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ዅምራታት ሓመድ ዘሎኸ ንመንደቕ ዝኸውን ኣእማን ክረኽቡ ድዮም?” ኢሉ ተዛረበ። ጦቢያ እቲ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፦ “ኣብ ልዕሊ እቲ ብእምኒ ዝሰርሕዎ ቕፅሪ፥ ወኻርያ እንተ ደየበቶ እኳ ዝፈርስ እዩ” በለ። ኣነ ኸዓ “ኦ ኣምላኽና፥ ስማዕ! ተንዒቕና ኢና እሞ ላግፃኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ምእንቲ ኽብዝበዙ ንማረኽቲ ኣሕሊፍካ ሃቦም። ኣብ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣቘጢዖምኻ እዮም እሞ በደሎም ኣይትሕደገሎም፤ ሓጢኣቶም ድማ ኣይትደምስሰሎም” ኢለ ፀለኹ። እቶም ህዝቢ ብምሉእ ልቦም ስለ ዝሰርሑ፥ ነቲ ቕፅሪ ነደቕናዮ፤ ምብራኹውን ክሳዕ ፍርቂ ኣብፃሕናዮ። ሰንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ኣሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ዝሰለጠን፥ እቲ ፍርስራስውን ክዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ። ኵላቶም ሓደ ኾይኖም መፂኦም ድማ ንኢየሩሳሌም ክወግኡን ከሸብሩን ተመሓሓሉ። ሽዑ ናብ ኣምላኽና ፀለና፤ ካብኣቶም ዝተልዓለ ኸዓ ለይትን መዓልትን ዝሕልዉና ሓለውቲ ኣቖምና። በዝ ምኽንያትዙይ ቅፅሪ ኽንነድቕ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ። እቶም ፀላእትና ድማ “ኣብ ማእኸሎም ክሳዕ እንኣቱን ክሳዕ እንቐትሎምን፥ ስራሕቶምውን ክሳዕ እነቑሞ፥ ኣይፈልጡን ኣይሪኡን እዮም” በሉ። እቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ኣይሁድ እናመፁ “ካብ ኵለን ቦታታት ናባና ተመለሱ” ኢሎም ዓሰርተ ሻዕ ነገሩና። ስለዙይ ኣነ ነቶም ህዝቢ ብድሕሪ እቲ ቕፅሪ፥ በቲ ዘይተመልአ ቕሉዕ ስፍራታት በብማይ ቤቶም ኣስይፍቶምን ኲናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ከም ዝብሉ ገበርክዎም። ኵነታት እቶም ህዝቢ ምስ ረአኹ ድማ ተሲአ፥ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ፤ ነቲ ዓቢይን ዝፍራሕን ጐይታ ዘክሩ፤ ምእንቲ ህዝብኹምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ” በልክዎም። እቶም ፀላእትና እዝ ነገር እዙይ ኸም ዝፈለጥና፥ ኣምላኽ ከዓ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥ ንሕና ዅላትናውን ናብቲ ቕፅሪ፥ ነፍሲ ወከፍና ድማ ነናብ ስራሑ ተመለስና። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻኽረይ ፍርቆም ይሰርሑ ነበሩ፤ ፍርቆም ድማ ዅናትን ዋላቱን ቀስትታትን ሒዞም ድርዒውን ተኸዲኖም ደው በሉ። እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ካብ ኵሉ ቤት ይሁዳ ብድሕሪት ይቖሙ ነበሩ። እቶም ቅፅሪ ዝነድቁን እቶም ተሸከምትን ድማ ብሓደ ኢዶም ይሰርሑ ነበሩ፤ ብሓደ ኢዶም ከዓ ኣፅዋሮም ይሕዙ ነበሩ። እቶም ነደቕቲውን ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዝነፍሕ ከዓ ኣብ ጥቓይ ነበረ። ኣነ ድማ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “እቲ ስራሕ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፤ ንሕና ኸዓ ንስንሳትና ተረሓሒቕና፥ ኣብ ቅፅሪ ፋሕ ኢልና ኣለና። ስለዙይ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ናብቲ ንሕና ዘለናዮ ተኣከቡ፤ ኣምላኽና ምእንታና ኽዋግአልና እዩ” በልኩዎም። ከምዙይ ኢልና ኻብ ወጋሕታ ጀሚርና ኽሳዕ ከዋኽብቲ ዝወፁ ንሰርሕ ነበርና፤ ፍርቅና ኸዓ ዂናት ሒዝና ንሕሉ ነበርና። ሽዑ ድማ ነቶም ህዝቢ “ለይቲ ሓለውቲ ኽትኮኑና ብመዓልቲ ድማ ኽትዓዩስ፥ ነፍሲ ወከፍኩም መምስ ሓጋዚኹም ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ሕደሩ” በልክዎም። ኣነን ብፆተይን እቶም ዝሕልዉኒ ሓሻኽረይን ክዳውንትና ኣይነውፅእን ነበርና። ማይ ክንሕፀብ እንተ ኸድናውን ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ይሕዝ ነበረ። ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጥርዓን ኣስምዑ። ገሊኣቶም “ንሕናን ደቅናን ብዙሓት ኢና፤ ስለዙይ ክንበልዕ እሞ ብህይወት ክንነብርስ እኽሊ ኽንሽምት” ዝብሉ ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ “ስለ ዝጠመና እኽሊ ኽንሽምት ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣባይትናን ኣትሒዝና ኣለና” ይብሉ ነበሩ። ገሊኣቶም ከዓ “ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝና፥ ንንጉስ ግብሪ ኽንከፍል ገንዘብ ተለቂሕና ኢና። ሕዚ ድማ ስጋና ከም ስጋ ኣሕዋትና፥ ደቅና ኸዓ ኸም ደቆም ሓደ እናሃለዉ፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣለና። ካብተን ኣጓላትና ድማ ድሮ ባሮት ኮይነን ኣለዋ። ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣብ ኢድ ኻልኦት ሓሊፉ ስለ ዘሎ፥ ክነድሕኖም ኣይንኽእልን” ይብሉ ነበሩ። ኣነ ኸዓ ኣውያቶምን ነዝ ቃል እዙይን ምስ ሰማዕኹ፥ የመና ተቘጣዕኹ። ብልበይውን ሓሰብኩ፤ ነቶም ዓበይትን ኣሕሉቕን ከዓ “ካብ ኣሕዋትኩም ሃረፃ ትበልዑ ኣለኹም” ኢለ ዘለፍክዎም፤ ብዛዕባ እዙይውን ዓብዪ ኣኼባ ኣከብኩዎም፤ ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣሕዋትና ኣይሁድ ኸም ዓቕምና ተቤዘውናዮም። ንስኻትኩምከ ነሕዋትኩምዶ ኽትሸጡ ኢኹም? ንሳቶምከ ነኣና ዝተሸጡዶ ክኾኑ እዮም?” በልኩዎም፤ ንሳቶምውን ስቕ በሉ፤ መልሲውን ኣይረኸቡን። መሊሰ ድማ “እዝ እትገብርዎ ዘለኹም ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። እቶም ፀላእትና ኣህዛብ ምእንቲ ኸይፀርፉና፥ ንኣምላኽና ብምፍራሕ ክትከዱ ኸመይ ዘይግብአኩም? ኣነን ኣሕዋተይን ሓሻኽረይን ድማ ገንዘብን እኽልን ንኣኣቶም ብሃረፃ ኣለቂሕናዮም ኣለና፤ ግና፥ በይዛኻትኩም፥ እዝ ሃረፃ እዙይ ንሕደገሎም። ገራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዶምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፤ ናይቲ እቲ ንስኻትኩም ካብኣቶም ብሃረፃ ዝወሰድኩምዎ ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከዓ፥ ካብ ሚእቲ ኢድ፥ ሓደ ኢድ በይዛኻትኩም ሎሚ ምለሱሎም” በልክዎም። ንሳቶም ድማ “ከምቲ ንስኻ ዝበልካና ንገብር፤ እቲ ዝወሰድናዮ ንመልስ፤ ካብኣቶም ድማ ዝኾነ እኳ ኣይንጥይቕን” በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ፀዊዐ ኸምቲ ዝበልዎ ኽገብሩ ኣምሓልክዎም። ኣነ ድማ ኽዳነይ ነገፍኩሞ “ኵሉ ነዝ ማሕላ እዙይ ዘይፍፅም ሰብ፥ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምዙይ ይንገፎ፤ እወ፥ ንጉፍን ጥራሑን ይኹን” በልኩ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝተአከቡ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” በሉ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ፤ እቶም ህዝቢ እውን ከምቲ ዝተብሃለ ገበሩ። ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሓለቓኣቶም ክኸውን ዝተኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ካብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ዝኣክል ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሓለቓ ዝግባእ ምግቢ ኣይበላዕናን። እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካብኣቶም እንጀራን ወይንን ኣርብዓ ቕርሺ ብሩርን ይወስዱ ነበሩ። እቶም ሓሻኽሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን። መሊሰውን ብምሉእ ሓይለይ ነቲ ቕፅሪ አዕሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይዓደግናን፤ ኵሎም እቶም ሓሻኽረይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ስራሕ ተኣኪቦም ነበሩ። ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመፁ ኣህዛብ፥ ካብ ኣይሁድን ኣሕሉቕን፥ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ ማእደይ ይምገቡ ነበሩ። ንሓንቲ መዓልቲ ዝዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሽዱሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን ካብ ኣዕዋፍን ይዳለወለይ ነበረ። በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ በብዓይነቱ ዝተፈላለየ ወይኒ ይዳለወለይ ነበረ። በዝ ዅሉ ግና፥ ነቲ ህዝቢ ኸቢድዎ ነበረ እሞ እቲ ንሽመተይ ዝግብአኒ ምግቢ እኳ ሃቡኒ ኣይበልኩን። ኦ ኣምላኸይ፥ ኵሉ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ንፅቡቕ ሕሰበለይ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሰንባላጥን ጦቢያን ጌሳም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ፀላእትናን ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕክዎ፥ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ዘይተነደቐ ሓደኳ ኸም ዘይተረፈ ሰምዑ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓፁ ኣብቲ ደገታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ። ሰንባላጥን ጌሳምን ከዓ ኣብ ልዕለይ ክፉእ ክገብሩ ሓሲቦም ስለ ዝነበሩ “ነዓ፥ ካብተን ኣብ ጐልጐል ኦኖ ዘለዋ ዓድታት ኣብ ሓንቲ ንራኸብ” ኢሎም ለኣኹለይ። ኣነ ድማ “ኣነስ ዓብዪ ስራሕ እሰርሕ ኣለኹ እሞ፥ ክወርድ ኣይክእልን እየ። ነቲ ስራሕ ሓዲገ ናባኻትኩም ብምውራደይ ንምንታይ እቲ ስራሕ ዝተኣጓጐል!” ኢለ ለኣኽኩሎም። በዝ ነገር እዙይ ድማ ኣርባዕተ ሻዕ ለኣኹለይ፤ ኣነ ኸዓ ኸምኡ ገይረ መለስኩሎም። ሽዑ ሰንባላጥ ሓንቲ ኽፍትቲ መልእኽቲ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ ንሓምሻይ ጊዜ ሓሽከሩ ለኣኸለይ። እታ መልእኽቲ ኸምዙይ ትብል ነበረት፦ “ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፥ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፤ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይውን ጌሳም ኣረጋጊፁለይ ኣሎ። ምእንቲ እዙይ ድማ ቕፅሪ ትሰርሕ ከም ዘለኻ፥ ንስኻ ንጉሶም ክትከውን ከም ዝደለኻውን ኣብ ኣህዛብ ይስማዕ ኣሎ። ከምኡውን ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባኻ ‘ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ’ ኢሎም ዝእውጁ ነቢያት ከም ዘቖምካ ተሰሚዑ ኣሎ፤ እምበኣር እዝ ነገር እዙይ ንጉስ እንተይሰምዖ ኣይተርፍን እዩ እሞ፥ ሕዚ ነዓ ብሓደ ኴንና ንመኻኸር ዝብል ቅሉዕ ደብዳቤ ነበረ።” ሽዑ ኣነ “እዙይስ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ደኣ እዩ እምበር፥ እቲ ዝበልካዮ ነገር ሓቂ ኣይኮነን” ኢለ ለኣኽኩሉ። ንሳቶም እቲ ስራሕ ደው ምእንቲ ኽብል፥ ኣእዳዎም ክደኽማ እየን ኢሎም ከፈራርሑና ይፍትኑ ነበሩ። ሕዚ እውን፥ ኦ ኣምላኽ፥ ኣእዳወይ ኣፅንዕ! ኣነ ኸዓ ናብ ቤት ሸማያ፥ ወዲ ድላያ ወዲ መሄጣብኤል ኣተኹ። ንሱ ድማ ኣብ ገዛኡ ተዓፅዩ ነበረ እሞ “ክቐትሉኻ ኽመፁ እዮም፤ እወ፥ ብለይቲ ኽቐትሉኻ ኽመፁ እዮም እሞ ነዓ ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽና ንእቶ፤ ነቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስውን ብውሽጢ ንዕፀዎ” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ከማይ ዝበለ ሰብዶ ይሃድም? ከማይ ዝበለኸ ምእንቲ ህይወቱ ኸድሕን ኢሉ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱዶ ይግባእ? ኣነስ ኣይኣቱን” በልኩዎ። ጦብያን ሰንባላጥን ንሸማያ ብገንዘብ ሓቢሎምዎ ኸፈራርሐኒ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ከም ዘይለኣኾ ኣስተውዓልኩ። ስለዙይ ናብ ሓጢኣት ምእንቲ ኽወድቕ ከፈራርሐኒ፥ በዙይ ከዓ ስመይ ከካፍኡንን ከዋርዱንን ንሸማያ ብገንዘብ ደለልዎ። “ኦ ኣምላኸይ፥ ብዛዕባ እዝ ግብሮም ንጦብያን ንሰንባላጥን ንነቢዪት ናኣድያን ነቶም ዘፈራርሑኒ ኻልኦት ነቢያትን ዘክር።” እቲ መካበቢያ ብወርሒ ኤሉል ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፥ ኣብ ውሽጢ ሓምሳን ክልተን መዓልቲ ተፈፀመ። ኵሎም እቶም ፀላእትና ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ዙርያና ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብውን ምስ ረአዩ ፈርሑ፤ ብሓሳባቶም ድማ የመና ተዋረዱ፤ እዝ ስራሕ እዙይ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም ዝተፈፀመውን ፈለጡ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን እቶም ዓበይቲ ይሁዳ ብዙሕ መልእኽትታት ናብ ጦብያ ሰደዱ፤ ጦብያውን ምላሽ ይሰደሎም ነበረ። ሴኬንያ ወዲ ኤራ ንጦብያ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፤ ይሆሓናን ወዲ ጦብያ ኸዓ፥ ጓል ሜሱላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፥ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ተመሓሒሎም ነበሩ። “ጦብያ ዝገበሮ ሰናይ ነገራት” እናበሉ ኣብ ቅድመይ ይንእድዎ ነበሩ፤ ዘረባይ ከዓ ይነግርዎ ነበሩ፤ ጦብያ ድማ ኸፈራርሐኒ ኢሉ፤ መልእኽትታት ይሰደለይ ነበረ። ከምዙይ ድማ ኾነ እቲ ቕፅሪ ምስ ተነድቀ፥ መዓፁ ኣቖምኩሉ፤ ሓለውቲ ደገን ዘመርቲ ሌዋውያንን ድማ ኣብ ሰስራሖም ተመደቡ፤ ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ሓለቓ ዕርዲ ዝነበረን፥ ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌም ገይረ ሸምኩዎም። ሃናንያ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለፀ እሙንን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ። ኣነ ድማ ንኣኣቶም፦ “ንግሆ ፀሓይ ክሳዕ ዝመውቕ፥ ደገታት ኢየሩሳሌም ኣይከፈቱ፥ ምሸት ከዓ እቶም ሓለውቲ ቕድሚ ምኻዶም ይተዓፆን ይሸጐርን፤ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብተራኡ፥ ቀቅድሚት ቤቱ ይሓሉ” በልክዎም። እታ ኸተማ ኸዓ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ህዝቢ ግና ውሑዳት ነበሩ። እቶም ኣባይቲ ድማ ገና ኣይተሰርሑን ነበሩ። ነቶም ህዝብን መራሕቶምን ሹመኛታትን ኣብ መፅሓፍ ወለዶ ምእንቲ ኽፀሓፉ፥ ክእክቦም ድማ ኣምላኸይ ንልበይ ኣለዓዓለ። ናይቶም ቅድም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ መፅሓፍ ወለዶኦም ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸዓ ኸምዙይ ዝብል ፅሑፍ ረኸብኩ፦ እቶም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበረ እሞ፥ ካብ ምርኮ ተመሊሶም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝመፁ፥ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም፦ እቶም መራሕቶም ዘሩባቤል፥ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ኣዛርያስ፥ ረዓምያ፥ ነሓማኒ፥ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ ሚስጴሬት፥ በጉዋይ፥ ነሑም፥ በዓና ነበሩ። ብዝሒ ናይቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ እስራኤል እዙይ እዩ፦ ደቂ ፋሮስ፥ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን፤ ደቂ ሰፋጥያስ፥ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን፤ ደቂ ኤራ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን፤ ደቂ ፈሓት ሞኣብ ካብ ደቂ ኢያሱን ኢዮኣብን ዝኾኑ፥ ክልተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን፤ ደቂ ዔላም፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን፤ ደቂ ዛቱዕ፥ ሸሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፤ ደቂ ዘካይ፥ ሸውዓተ ሚእትን ስሳን፤ ደቂ ቢንዊ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ሸሞንተን፤ ደቂ ቤባይ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤ ደቂ ዓዝጋድ፥ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ክልተን፤ ደቂ ኣዶኒቃም፥ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሸውዓተን፤ ደቂ በጉዋይ፥ ክልተ ሽሕን ስሳን ሸውዓተን፤ ደቂ ዓዲን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓሙሽተን፤ ደቂ ኣጤር፥ ካብ ዓሌት ሕዝቅያስ፥ ተስዓን ሸሞንተን፤ ደቂ ሓሱም፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤ ደቂ ቤሳይ፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን፤ ደቂ ሓሪፍ፥ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን፤ ደቂ ገባዖን፥ ተስዓን ሓሙሽተን፤ ሰብ ቤተ ልሔምን ነጦፋን፥ ሚእትን ሰማንያን ሸሞንተን፤ ሰብ ኣናቶት፥ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤ ሰብ ቤትዓዝሞት፥ ኣርብዓን ክልተን፤ ሰብ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን፥ ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን፤ ሰብ ራማን ጌባን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን፤ ሰብ ማክማስ፥ ሚእትን ዕስራን ክልተን፤ ሰብ ቤቴልን ዓይን፥ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን፤ ሰብ ካልአይ ናባውን፥ ሓምሳን ክልተን፤ ደቂ ኻልአይ ዔላም፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን፤ ደቂ ካሪም፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን፤ ደቂ ኢያሪኮ፥ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፤ ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖም፥ ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ሓደን፤ ደቂ ሴናዓ፥ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን። ደቂ ዮዳኤ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን፤ ደቂ ኢሜር፥ ሽሕን ሓምሳን ክልተን፤ ደቂ ፋስኮር፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን፤ ደቂ ካሪም ሽሕን ዓሰርተ ሸውዓተን። ካብ ሌዋውያን፥ ካብ ወገን ሆዳይዋ፥ ደቂ ኢያሱን፥ ደቂ ቀድምኤልን ሰብዓን ኣርባዕተን፤ መዘምራን ድማ፥ ደቂ ኣሳፍ፥ ሚእትን ኣርብዓን ሸሞንተን፤ ሓለውቲ ደገ፦ ደቂ ሰሎም፥ ደቂ ኣጤር፥ ደቂ ጤልሞን፥ ደቂ ዓቁብ፥ ደቂ ሓጢጣ፥ ደቂ ሶባይ፥ ሚእትን ሰላሳን ሸሞንተን። ናታኒም ደቂ ሲሓ፥ ደቂ ሓሱፋ፥ ደቂ ጣብዖት፥ ደቂ ኬራስ፥ ደቂ ሲዓ፥ ደቂ ፋዶን፥ ደቂ ልባና፥ ደቂ ኣጋባ፥ ደቂ ሰምላይ፥ ደቂ ሓናን፥ ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ጋሓር፥ ደቂ ራያ፥ ደቂ ረኣሶን፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ደቂ ጋሴም፥ ደቂ ዖዛ፥ ደቂ ፋሴሓ፥ ደቂ ቤሳይ፥ ደቂ ምዑናም፥ ደቂ ንፉሳሲም፥ ደቂ በቅቡቅ፥ ደቂ ሓቀፉ፥ ደቂ ሓርሑር፥ ደቂ በስሎት፥ ደቂ ምሒዳ፥ ደቂ ሓርሻ፥ ደቂ በርቆስ፥ ደቂ ሲሳራ፥ ደቂ ቴማ፥ ደቂ ንስያ፥ ደቂ ሓጢፋ። ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥ ደቂ የዕላ፥ ደቂ ደርቆን፥ ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ሰፋጥያስ፥ ደቂ ሓጢል፥ ደቂ ፊከራት ሓፂቦይም፥ ደቂ ኣሞን፥ ኵሎም ናታኒምን ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን ነበሩ። ደቂ ዳላያ፥ ደቂ ጦብያ፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ካብተን ቴልሜላ፥ ቴላሬሳ፥ ክሩብ ኣዶን፥ ካብ ኢሜር ዝወፁ እዚኣቶም እዮም፤ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ሰባት ነበሩ። ግና ኻብ ህዝቢ እስራኤል ምዃኖም ከረድኡን ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ኣይከኣሉን። ካብ ካህናት ከዓ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ ቤርዜሊ። (እዙይ ንደቂ ቤርዜሊ ዝወለደ፥ ካብ ዓሌት ቤርዜሊ ናይ ገለዓድ ሰበይቲ ኣእትዩ ብሽም ሓሙኡ ዝተፀውዐ እዩ።) እዚኣቶም ፅሑፍ ወለዶኦም ደልዮም ስለ ዘይረኸብዎ፥ ብኽህነት ከየገልግሉ ድማ ተኸልከሉ። ሓቴርሰታም ድማ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ዘገልግል ካህን ክሳዕ ዝርከብ ካብቲ ዝተቐደሰ ሕብስቲ ቝርባን ከይበልዑ ኸልከሎም። ኵሉ እቲ ኻብ ምርኮ ዝተመለሰ ህዝቢ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ነበረ። ንሳቶም ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሓሻኽርን ኣግራድን ነበርዎም። ዝዝምሩ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነበርዎም። ንሳቶም ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን ኣፍራስ፥ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ኣባቕል፥ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን ኣግማል፥ ሽዱሽተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ኣእዱግ ነበርዎም። ካብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፥ ብዙሓት ሰባት ነቲ ስራሕ ዝኸውን ውህብቶ ሃቡ። ሓቴርሰታ ሸሞንተ ኺሎ ግራም ወርቅን ሓምሳ ፅዋዓትን ሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ቅያር ክዳን ካህናትን ሃበ። ሓድሓደ ካብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ድማ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ወርቅን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኪሎ ግራም ብሩርን ሃቡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸዓ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ወርቅን ሽሕን ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ስሳን ሸውዓተን ቅያር ክዳን ካህናትን ወፈዩ። እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣፍ ደገ ማይ ዝበሃል ገፊሕ ቦታ ተኣከቡ። ንእዝራ እቲ ፀሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸምፅአሎም ጠየቕዎ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ቘልዑ ዅላቶምን፥ ነቲ ሕጊ ኣምፅኦ። ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኸዓ ኽሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፥ ኣብታ መረኣእይቲ ኣፍ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኣብ ቅድሚ ኸስተውዕሉ ዝኽእሉ ዅላቶምን ኮይኑ ኣንበቦ። እዝኒ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኽሰምዕ ፅን ይብል ነበረ። እዝራ እቲ ፀሓፊ ድማ ኣብቲ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ፥ ብየማኑ ድማ መቲትያን ሽማዕን ዓናያን ኦርዮን ኬልቂያስን መዕሰያን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ብፀጋሙ ኸዓ ፈዳያን ሚሳኤልን መልክያን ሓሱምን ሓሽበዳናን ዘካርያስን ሜሱላምን ደው ኢሎም ነበሩ። እዝራ ድማ ኣብቲ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ይሪእዎ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ከዓ ነቲ መፅሓፍ ቀልዖ። ምስ ቀልዖ ድማ ዅሎም እቶም ህዝቢ ደው በሉ። እዝራ ኸዓ ንእግዚኣብሄር፥ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽ ኣመስገነ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኣእዳዎም ዘርጊሖም “ኣሜን፥ ኣሜን” በሉ፤ ድንን ኢሎም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፊኦምውን ንእግዚኣብሄር ሰገዱ። እቶም ህዝቢ ኣብ ቦታኦም ደው ምስ በሉ ድማ፥ ኢያሱ፥ ባኒ፥ ሰራብያ፥ ያሜን፥ ዓቁብ፥ ሳባታይ፥ ሆዲያ፥ መዕሴያ፥ ቆሊጣስ፥ ኣዛርያስ፥ ዮዛባት፥ ሓናን፥ ፌልያ ዝበሃሉ ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ፥ ሕጊ ኸስተውዕል ይምህርዎ ነበሩ። ነቲ መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ብግልፂ ኣንበቡሎም፤ እቶም ህዝቢ ነቲ ዝተነበበ ምእንቲ ኸስተውዕልዎ ይገልፁሎም ነበሩ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ቓል ሕጊ ምስ ሰምዑ በኸዩ። ነህምያ እቲ ገዛኢ ሃገርን፥ እዝራ እቲ ኻህንን ፀሓፍን፥ እቶም ንህዝቢ ዝምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንዅሉ እቲ ህዝቢ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፥ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን” በልዎም። ነህምያ ኸዓ “ኪዱሞ ዝሰብሐ ብልዑ፤ ጥዑምውን ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወ ዘይብሎም ድማ ኻብ ዘለኩም ከፊልኩም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና ዝተቐደሰት እያ። ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ” በሎም። እቶም ሌዋውያን ከዓ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ስቕ በሉ፤ ኣይትሕዘኑ” እናበሉውን ኣህድእዎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ዝነገርዎም ቃል ስለ ዘስተውዓልዎ ኽበልዑን ክሰትዩን ነቶም ዘይብሎምውን ከፊሎም ክሰዱሎምን፥ ዓብዪ ሓጐስ ክሕጐሱ ነናብ ገዝኦም ከዱ። በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ዅሉ ህዝቢ፥ ምስቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኮይኖም፥ ቃል እቲ ሕጊ ኽገልፀሎም፥ ናብ እቲ ፀሓፊ እዝራ ተኣከቡ። በታ ሻውዐይቲ ወርሒ እትብዓል በዓል ዳስ ደቂ እስራኤል ኣብ ዳስ ክቕመጡ ኸም ዘለዎም ኣብቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞም ሕጊ ተፅሒፉ ረኸቡ። ስለዙይ ናብ ኵለን ከተማታቶምን ናብ ኢየሩሳሌምን “ናብ እምባ ደይቡ፤ ከምቲ ፅሑፍ ዝበሎ ዳስ ንምስራሕ፥ ጨናፍር ኦም ኣውሊዕ ዘይትን ጨናፍር ኦም ኣውሊዕ በረኻን ጨናፍር ክሊዐውን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ቈፃል ኣእዋምን ኣምፅኡ” ኢሎም ኣስምዑን ኣወጁን። ሽዑ እቶም ህዝቢ ወፂኦም ጨናፍር ኣምፅኡ፤ ኣብ ልዕሊ ናሕሶምን ኣብ ቕፅሮምን ኣብ ኣፀዳት ቤት እግዚኣብሄርን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ኣፍ ደገ ማይን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ዳሳት ሰርሑ። ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ ኸዓ ዳሳት ሰሪሖም፥ ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ካብ ዘመን ኢያሱ ወዲ ነዌ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂ እስራኤል ከምዙይ ገይሮም ኣብዒሎም ኣይፈልጡን ነበሩ እሞ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ። እዝራ ኻብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ መዓልቲ፥ በብመዓልቱ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ የንብብ ነበረ። ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኸምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ዝተቐደሰ ጉባኤ ገበሩ። ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ደቂ እስራኤል ተኣኪቦም፥ ወጮ ተኸዲኖም፥ ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ፆሙ። ደቂ እስራኤል ካብ ኵሎም ባዕዳን ተፈለዩ። ደው ኢሎም ከዓ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ። ኣብታ ስፍራኦም ደው ኢሎም፥ ሰለስተ ሰዓት መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኣንበቡ፤ ሰለስተ ሰዓት ድማ ተናዘዙ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ሰገዱ። እቶም ሌዋውያን ኢያሱ፥ ባኒ፥ ቀድምኤል፥ ሰበንያ፥ ቡኒ፥ ሰራብያ፥ ባኒ፥ ክናኒ ኾይኖም ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሌዋውያን ዝተሰርሐ መድረኽ ደው በሉ፤ ብብርቱዕ ድምፂ ዓው ኢሎም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ፀለዩ። “እቲ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ምስጋናን ልዕል ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ።” ኦ ጐይታ፥ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር፤ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቶምን፤ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፥ ባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ነዝ ኵሉ ብህይወት እተንብሮ ኸዓ ንስኻ ኢኻ፤ ሰራዊት ሰማይውን ይሰግዱልካ። ንሱ ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ስለ ዘረኸብካዮ ድማ ምስኡ ኺዳን ኣተኻ። ዘርኡ ኣብኣ ምእንቲ ኽነብሩ ኸዓ ምድሪ ከነዓናውያንን፥ ሄታውያንን፥ ኣሞራውያንን፥ ፌርዛውያንን፥ ኢያቡሳውያንን፥ ጌርጌሳውያንን ሃብካዮ። ንስኻ ፃድቕ ስለ ዝኾንካ፥ ነቲ ቓልካ ፈፀምካዮ። ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊቱን ኣብ ዅሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎም ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ስምካ ኣፀዋዕኻ። ነቲ ባሕሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ንኽልተ ሰንጠቕካዮ፤ ንቑፅ እናረገፁ ኸዓ ብእኡ ሓለፉ። ነቶም ዝስዕብዎም ግና ኣብ ማዕበል ማያት ደርበኻዮም፤ ከም እምኒ ድማ ኣብ መዓሙቕ ሰጠሙ። በቲ ዝኸድዎ መንገዲ፥ ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ምእንቲ ኽተብርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ መራሕኻዮም። “ናብ ልዕሊ እምባ ሲና ወረድካ፤ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ዝኾነ ፍርድታትን ሕግጋትን፥ ፅቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን ከዓ ሃብካዮም። ነታ ቅድስቲ ሰንበትካ ኣፍለጥካዮም፤ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ድማ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም።” ምስ ጠመዩ ኻብ ሰማይ መና ኣውሪድካ ሃብካዮም፤ ምስ ፀምኡ ኸዓ ኻብ ኰዅሒ ማይ ኣውፃእኻሎም። እታ ንኣኣቶም ክትህቦም ዘተስፈኻዮም ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ናብኣ ኽኣትዉ ኣዘዝካዮም። “ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዓበዩ፤ ክሳውዶም ኣትረሩ፤ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን። ምስማዕ ኣበዩ፤ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራትውን ኣይዘከሩን፤ ክሳውዶም ኣትሪሮም፥ ብዓመፃኦም ናብ ባርነት ግብፂ ንኽምለሱ ሓለቓ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን ርህሩህን ኢኻ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ በዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፥ ኣይሓደግካዮምን። ወርቂ ኣፍሲሶም ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ገበሩ፤ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና እዙይ እዩ’ እናበሉ ኬርና ኣቘጥዑኻ። “ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፤ እቲ ብመዓልቲ መንገዲ ዝመርሖም ዝነበረ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ነቲ ዝኸዱሉ መንገዲ ዘብርሀሎም ዝነበረ ዓምዲ ሓዊ ካብኣቶም ኣይረሓቐን። ዝምህሮም ሰናይ መንፈስካ ሃብካዮም፤ መናውን ካብ ኣፎም ኣየጕደልካን። ምስ ፀምኡ ድማ ማይ ሃብካዮም። ኣብ ምድረ በዳ ሓደኳ እንተየጕደልካ፥ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ዝደለይዎ ዅሉ ኣይሰኣኑን፤ ክዳውንቶም ኣይበለየን፤ ኣእጋሮምውን ኣይሓበጠን። ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኻዮም፤ ናብታ ነቦታቶም ክኣትዉዋን ክወርስዋን ዘተስፈኻዮም ምድሪ ድማ ኣእተኻዮም። እቶም ደቆም ከዓ ነታ ሃገር ኣትዮም ወረስዋ፤ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ከነዓናውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኻዮም፥ ንነገስታትን ንህዝብታት እታ ሃገርን፥ ዝደለዩ ኽገብርዎም ድማ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም። ህዝብኻ ዝተዓረዳ ኸተማታትን ልሙዕ ምድርን ሓዙ። ኵሉ ፅቡቕ ነገር ዝመልኣ ኣባይትን ዝተዅዓተ ሓፅብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዪ ኣእዋምን ድማ ወረሱ እሞ፥ በቲ ዓብዪ ለውሃትካ በልዑን ፀገቡን ሰብሑን ተሓጐሱን። “ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ። ስለዙይ ናብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም፤ ንሳቶምውን ኣጨነቕዎም። ብጊዜ መከራኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፤ ንስኻ ድማ ኻብ ሰማይ ሰማዕኻ፤ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካውን ካብ ኢድ ፀላእቶም ዘድሕንዎም መራሕቲ ሃብካዮም። ግና ብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፤ ብኢድ ነቢያትካ ብመንፈስካ መስከርካሎም፤ ንሳቶም ግና ኣእዛኖም ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ሃገራት ኣህዛብ ኣሕሊፍካ ሃብካዮም። ግና ንስኻ ምሕረትካ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ፈፂምካ ኣየጥፋእኻዮምን፤ ኣይሓደግካዮምንውን፤ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ። ንስኻስ በቲ ዅሉ ኣባና ዝበፅሐ ፃድቕ ኢኻ፤ ንሕና በደልና እምበር፥ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ ቕኑዕ ኢኻ። ነገስታትናን ኣሕሉቕናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይሓለዉን፤ ንዝመስከርካሎም ትእዛዛትካን ምስክርነትካን ኣይሰምዑን። ኣብ መንግስቶም እንተለዉ ኣብታ ብብዝሒ ለውሃትካ ዝሃብካዮም ገፋሕን ልምዕትን ምድሪ እንተለዉ ኣየምለኹኻን፤ ካብ ክፉእ ግብሮምውን ኣይተመለሱን። “እንሆ፥ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፤ ኣብታ ፍረኣን በረኸታን ክበልዑ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ፥ እንሆ፥ ንሕና ኣብኣ ባሮት ኴንና ኣለና። እቶታ ድማ ነቶም ብሰንኪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነገስታት ኮይኑ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ጥሪትናን ከም ዝደለዩ ይገብሩ ኣለዉ፤ ንሕና ኸዓ ኣብ ዓብዪ መከራ ኢና ዘለና። በዝ ዅሉ ዝወረደና ድማ ብፅሑፍ ቃል ኪዳን ንኣቱ ኣለና፤ ኣሕሉቕናን ሌዋውያንን ከዓ ማሕተሞም ይገብሩሉ ኣለዉ።” ወዲ ሓካልያ ሓቴርሰታ ነህምያ፥ ሴዴቅያስ፥ ካብ ካህናት፦ ሰራያ፥ ኣዛርያስ፥ ኤርሚያስ፥ ፋስኮር፥ ኣማርያ፥ መልክያ፥ ሓጡስ፥ ሰበንያ፥ መሉክ፥ ካሪም፥ ሜሪሞት፥ ኣብድዩ፥ ዳንኤል፥ ጌንቶን፥ ባሮክ፥ ሜሱላም፥ ኣብያ፥ ሚያሚን፥ መዓዝያ፥ ቤልጋይ፥ ሸማያ፥ እዚኣቶም ካህናት ነበሩ። ካብ ሌዋውያን፦ ኢያሱ ወዲ ኣዛንያ፥ ቢንዊ ኻብ ደቂ ኤንሓደድ፥ ቀድምኤል፥ ኣሕዋቶም ድማ፦ ሰባንያ፥ ሆድያ፥ ቆሊጣስ፥ ፊልያ፥ ሓናን፥ ሚካ፥ ረኣብ፥ ሓሸብያ፥ ዘኩር፥ ሰራብያ፥ ሰበንያ፥ ሆዲያ፥ ባኒ፥ ብኒኑ። ኣሕሉቕ ህዝቢ፦ ፋሮስ፥ ፈሓት ሞኣብ፥ ዔላም፥ ዛቱዕ፥ ባኒ፥ ቡኒ፥ ዓዝጋድ፥ ቤባይ፥ ኣዶንያስ፥ በጉዋይ፥ ዓዲን፥ ኣጤር፥ ሕዝቅያስ፥ ዓዙር፥ ሆዲያ፥ ሓሱም፥ ቤሳይ፥ ሓሪፍ፥ ዓናቶት፥ ኖባይ፥ መግጲዓስ፥ ሜሱላም፥ ኤዚር፥ ሜሴዜቤል፥ ሳዶቅ፥ ያዱዓ፥ ፈላጥያ፥ ሓናን፥ ዓናያ፥ ሆሴዕ፥ ሓናንያ፥ ኣሱብ፥ ኣሌኤስ፥ ፊልሓ፥ ሶቤቅ፥ ሬሑም፥ ሓሰብና፥ መዕሴያ፥ ኣኪያ፥ ሓናን፥ ዓናን፥ መሉክ፥ ካሪም፥ በዓና። “እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ህዝቢ እስራኤል፥ ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ናታኒምን ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑን ንሕጊ እግዚኣብሄር ተኣዘዝቲ ዝኾኑ፥ ነፍሶም ካብቶም ጓኖት ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ዅላቶምን፥ ምስ ኣንስቶምን ምስቶም ኣብ ምስትውዓል ዝበፅሑ ደቆምን ኮይኖም፥ ምስቶም ኣሕዋትና ዝኾኑ መራሕትን ሓቢሮም ነቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ባርያኡ ሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ሕጊ ኣምላኽ ክፍፅሙ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕግጋትን ኵሉ ኽሕልዉዎን ክፍፅምዎን ማሕላን መርገምን ገበሩ። ንኣምልኾ ኣምላኽና ዝውዕል ሕብስቲ ቝርባንን፥ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ ብልዕን፥ ነቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ነቲ ናይ ሰናብትን ናይ ሰርቀ ወርሕን፥ ናይ ምዱባት በዓላትን ናይ ቅዱስ ነገርን፥ ንስርየት ሓጢኣት እስራኤል ዝኸውን መስዋእትን፥ ንቤተ መቅደስ ዘድሊ ኻልእ ነገርን ክንህብ ኢና። “ንሕና ካህናትን ሌዋውያንን ህዝብን፥ ከም ቤት ኣቦታትና ብዝተወሰነ ጊዜ በብዓመቱ፥ ናብ ቤት ኣምላኽና ኣምፂእና፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓዊ ምእንቲ ኽነድድ፥ ዕንፀይቲ ዘምፅእ መን ምዃኑ ምእንቲ ኽፍለጥ፥ ዕፃ ኣውደቕና። ሌዋውያን ዓስራት ክወስዱ እንተለዉ ድማ፥ ሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፥ ምስቶም ሌዋውያን ይሃሉ። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዓስራት ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ የእትዉ። እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ሌዊን ከዓ ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዝለዓል መስዋእቲ ናብቲ ቤት መዛግብቲ እዮም ዘምፅእዎ፤ ኣብኡ ኸዓ እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን እቶም ዘገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ደገታትን ዘመርትን እዮም ዘለዉ። እምበኣር ቤት ኣምላኽና ኸቶ ኣይንሓድግን ኢና።” እቶም መራሕቲ ህዝቢ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና፥ ከካብ ዓሰርተ ስድራ ሓደ ስድራ ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክቕመጡ፥ እቶም ትሽዓተ ኢድ ከዓ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ክቕመጡ ዕፃ ኣውደቑ። ነቶም ብፍቓዶም ኣብ ኢየሩሳሌም ክቕመጡ ዝፈተዉ ዅሎም ሰባት ድማ እቲ ህዝቢ መረቖም። ኣብተን ከተማታት ይሁዳ ግና እስራኤላውያን ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልገሉን ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞንን፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። ዓታያ ወዲ ዖዝያ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ማላልኤል፥ ካብ ደቂ ፋሬስ፤ መዕሴያ ወዲ ባሮክ፥ ወዲ ኮልሖዜ፥ ወዲ ዖዛያ፥ ወዲ ዓዳያ፥ ወዲ ዮያሪብ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ካብ ደቂ ሴሎና። ካብ ማእኸል ዘርኢ፥ ፋሬስ፥ ኣርባዕተ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ሰባት ሓያላት ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ። ሳሉ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ዮእድ፥ ወዲ ፈዳያ፥ ወዲ ቆላያ፥ ወዲ መዕሴያ፥ ወዲ ኢቲኤል፥ ወዲ የሻያ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ጌቤን ሳላይን፤ ኵሎም ትሽዓተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን ነበሩ። ኢዩኤል ወዲ ዝክሪ ኸዓ ሓለቓኣቶም ነበረ፤ ይሁዳ ወዲ ሃስኑኣም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣዩ ነበረ። ዮዳኤ ወዲ ዮያሪብ፥ ያኪን፥ ሰራያ ወዲ ኪልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ፥ ሓለቓ ቤት እግዚኣብሄር። ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑ ኣሕዋቶም ድማ ሸሞንተ ሚእትን ዕስራን ክልተን ነበሩ። ዓዳያ፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ፊላልያ፥ ወዲ ኣማሲ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ፋስኮር፥ ወዲ መልኪያ፥ ኣሕዋቱ ኸዓ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ነበሩ። ዓማሰያ ወዲ ኤዝርኤል፥ ወዲ ኣሕዛይ፥ ወዲ ምሽሌሞት፥ ወዲ ኢሜር፥ ኣሕዋቶምውን ሓያላት ጀጋኑ፥ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን ነበሩ። ሓለቓኣቶም ድማ ዘብዲኤል ወዲ ሓግዶሊም ነበረ። ሻማያ ወዲ ኣሱብ፥ ወዲ ዓዝሪቃም፥ ወዲ ኣሳብ፥ ወዲ ቡኒ፤ ካብ ኣሕሉቕ ሌዋውያን ከዓ ሳባታይን ዮዛባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወፃኢ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ሰብ ስልጣን ነበሩ። መታንያ ወዲ ሚካ፥ ወዲ ዘብዲ፥ ወዲ ኣሳፍ፥ ንሱ ጀማሪ ፀሎትን፥ ጀማሪ መዝሙር ምስጋናን ዝነበረ ሓለቓ እዩ። ካብ ኣሕዋቱ ካልኣይ ዝነበረ በቅበቃር፥ ኣብድያ ወዲ ሳሙስ፥ ወዲ ጋላል፥ ወዲ ኤዶታም ነበሩ። ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ድማ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን ነበሩ። ዓቁብን ጤልሞንን ኣሕዋቶምን ድማ ንደጌታት ዝሕልዉ ዝነበሩ፥ ኵላቶም ሚእትን ሰብዓን ክልተን ነበሩ። እቶም ዝተረፉ እስራኤላውያን ከዓ ምስ ካህናቶምን ሌዋውያንን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቶም ተቐመጡ። እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ ግና ኣብቲ ዖፌል ዝበሃል ወገን ኢየሩሳሌም ተቐመጡ፤ ሲሓናን ጊሽጳን ድማ ኣሕሉቖም ነበሩ። ኣዚ ወዲ ባኒ፥ ወዲ ሓሸብያ፥ ወዲ መታንያ፥ ወዲ ሚካ፥ ሓለቓ ሌዋውያን ነበረ፤ ንሱ ኻብቶም ዘመርቲ ደቂ ኣሳፍ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ካብ ዘገልግሉ ሓለቓ ነበረ። እቶም መዘምራን ብትእዛዝ ንጉስ ተራ ኣገልግሎቶም ስሩዕ ነበረ። እቲ በብመዓልቱ ዝዝምርዎ መዝሙር ከዓ ምዱብ ነበረ። ፈታያ ወዲ ሜሴዜቤል፥ ካብ ደቂ ዝራ ወዲ ይሁዳ ድማ፥ ምእንቲ ጉዳይ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ንጉስ ነበረ። ሓድሓደ ኻብ ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጥቓ ማሕረሶም ዘሎ ኸተማታት ኣብ ቂርያትኣርባቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ዲቦንን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ይቀብፅኤልን ኣብ ቝሸታታን ተቐመጡ። ከምኡውን ኣብ ኢያሱን ኣብ ሞላዳን ኣብ ቤት ጳሌጥን፥ ኣብ ሓፀርሹዓልን ኣብ ቤርሳቤህን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ፂቅላግን ኣብ ምኮናን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ዓይንሪሞንን ኣብ ፆርዓን ኣብ የርሙትን፥ ኣብ ዛኖዋን ኣብ ዓዶላምን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ለኪሶንን ኣብ ማሕረሳን ኣብ ዓዜቃን ኣብ ከባቢኣን ተቐመጡ። ስለዙይ ደቂ ይሁዳ ኣብተን ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ለሰ ሄኖም ዘለዋ ዓድታት ሰፈሩ። ደቂ ብንያም ከዓ ኣብ ጌባ፥ ኣብ ማክማስን ኣብ ጋያን ኣብ ቤቴልን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ዓናቶት፥ ኣብ ኖብ፥ ኣብ ሓናንያ፥ ኣብ ሓሶር፥ ኣብ ራማ፥ ኣብ ጊቴም፥ ኣብ ሓዲድ፥ ኣብ ስቦይም፥ ኣብ ንበላት፥ ኣብ ሎድ፥ ኣብ ኦኖ፥ ኣብ ለሰ ፀረብቲ ተቐመጡ። ካብቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ዝነበሩ ሌዋውያን ድማ ብዙሓት ክፍልታት ናብ ብንያም ኮኑ። ሰራያ፥ ኤርሚያስ፥ እዝራ፥ ኣማርያ፥ መሉክ፥ ሓጡስ፥ ሴኬንያ፥ ሬሑም፥ ሜሪሞት፥ ኣዶ፥ ጊንቶን፥ ኣቢያ፥ ሚያሚን፥ መዓድያ፥ ቢልጋ፥ ሻማያ፥ ዮያሪብ፥ ዮዳዔ፥ ሰሉ፥ ዓሞቅ፥ ኬልቅያስ፥ ዮዳኤ እዮም። እዚኣቶም ብዘመን ኢያሱ ናይ ካህናትን ናይ ኣሕዋቶምን ኣሕሉቕ ነበሩ። ኢያሱ፥ ቢንዊ፥ ቀድምኤል፥ ሰራብያ፥ ይሁዳ፥ መታንያ፥ እዚኣቶም ኵሎም መራሕቲ መዝሙር ምስጋና ነበሩ። ኣሕዋቶም በቅቡቅያን ዑኒን ከዓ በብሰሙኖም ኣብ መንፅሮም ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። ኢያሱ ኸዓ ንዮኣቂም ወለደ፤ ዮኣቂም ንኤልያሴብ ወለደ፤ ኤልያሴብ ንዮኣዳ ወለደ። ዮኣዳ ንዮናታን ወለደ፤ ዮናታን ንያዱዓ ወለደ። ካብ ማይ ቤተ ሰራያ ምራያ፥ ካብ ኤርሚያስ ሓናንያ፥ ካብ እዝራ፥ ሜሱላም፤ ካብ ኣማርያ፥ ይሆሓናን፤ ካብ መሉኪ፥ ዮናታን፤ ካብ ሰበንያ፥ ዮሴፍ፤ ካብ ካሪም፥ ዓድና፤ ካብ መራዮት፥ ሔልቃይ፤ ካብ ዓዶ፥ ዘካርያስ፤ ካብ ጌንቶን፥ ሜሱላም፤ ካብ ኣቢያ፥ ዝክሪ፥ ካብ ሚያሚን፥ ካብ ሞዓድያ፥ ፊልጣያ፤ ካብ ቢልጋ፥ ሳሙስ፤ ካብ ሸማያ፥ ዮናታን፤ ካብ ዮያሪብ፥ መትናይ፤ ካብ ዮዳኤ፥ ኦዚ፤ ካብ ሳላይ፥ ቃላይ፤ ካብ ዓሞቅ፥ ዔበር፤ ካብ ኬልቂያስ፥ ሃሸብያ፤ ካብ ዮዳኤ፥ ናትናኤል። ኤልያሴብን ዮኣዳን ዮሓናን ያዱዓን ሊቃነ ኻህናት ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን እቶም ሌዋውያን በብሓለቓ ማይ ቤት ኣቦታቶም ተፅሓፉ፤ እዙይ ብዘመን መንግስቲ ዳርዮስ በዓል ፋርስ ኮነ። እንተ ኾነ እቶም ደቂ ሌዊ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሴብ ጥራሕ ኣብቲ መፅሓፍ ዜና መዋእል ተፅሓፉ። ሓሸብያ፥ ሰራብያ፥ ኢያሱ፥ ቀድምኤል ኣሕሉቕ ሌዋውያን ነበሩ። ምስቶም ብፆቶም ከምቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዳዊት ዝኣዘዞ እናተቐባበሉ ይውድሱን የመስግኑን ነበሩ። መታንያ፥ በቅቡቅያ፥ ኣብድዩ፥ ሜሱላም፥ ጤልሞን፥ ዓቁብ፥ ሓለውቲ ደገ ነበሩ። ኣፍ ደገ እቲ መዛግብቲ ድማ ይሕልዉ ነበሩ። እዚኣቶም ብዘመን ዮኣቂም ወዲ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን፥ ብዘመን እቲ ሓለቓ ነህምያን፥ እዝራ እቲ ኻህንን ፀሓፍን ነበሩ። ቅፅሪ ኢየሩሳሌም፥ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጐስ ምእንቲ ኽምርቕዎ፥ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኵሉ ቦታኦም ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ ገበርዎም። እቶም ዘመርቲ ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ነበሩ እሞ፥ ካብቲ ጐልጐል ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን፥ ካብ ቤት ጌልገላን ካብ ምድሪ ጌባን ዓዝሞትን ተኣከቡ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ርእሶም ኣንፅሁ፤ ነቲ ህዝብን ንደገታትን ነቲ ቕፅርን ከዓ ኣንፅህዎ። ንኣሕሉቕ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኣደየብክዎም። ዘመስግኑ ኸዓ ኽልተ ዓበይቲ መስርዕ መዘምራን ኣቖምኩ፤ እቶም ሓደ መስርዕ ናብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኣፍ ደገ መጕሓፊ ብወገን የማን ኣቢሎም ዞሩ። ሆሻያን፥ ፍርቂ ኣሕሉቕ ነገድ ይሁዳን ከዓ ሰዓቡዎም። ኣዛርያስን እዝራን ሜሱላምን፥ ይሁዳን ብንያምን ሸማያን ኤርሚያስን ሰዓብዎም። ካብ ደቂ ካህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም ሰዓብዎም። ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሸማያ፥ ወዲ መታንያ፥ ወዲ ሚካያ፥ ወዲ ዘኩር፥ ወዲ ኣሳፍ ሰዓቦም። ኣሕዋቱ፥ ሸማያ፥ ኤዝርኤል፥ ሚላላይ፥ ጊላላይ፥ መዓይ፥ ናታናኤል፥ ይሁዳ፥ ኣናኒ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዳዊት ዝቓንዮ ዝነበረ መሳርሒ ሙዚቃ ዝመስል ሒዞም ሰዓቡ፤ እዝራ እቲ ፀሓፊ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ። ኣብ ደገ ዒላ ምስ በፅሑ፥ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዘደይብ መደያይቦ ኣቢሎም ናብ ቤተ መንግስቲ ዳዊት በፅሑ፤ ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዘብል ኣፍ ደገ ማይ ድማ ደየቡ። እቶም ዘመስግኑ ኻልኣይ መስርዕ መዘምራን ከዓ ኽራኸብዎም ናብ ፀጋም ኣቢሎም ይዞሩ ነበሩ። ኣነን ፍርቂ እቲ ህዝብን ድማ ኻብ ግንቢ እቶን ክሳዕ እቲ ገፊሕ ቅፅሪ ብልዕሊ እቲ መካበቢያ ጌርና ደድሕሪኣቶም ከድና። ብልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ኣፍ ደገ ዓሳን ግንቢ ሃናንኤል በቲ ሚእቲ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ዘይሮም ድማ ኣብ ደገ ሓለውቲ ቖሙ። እቶም ክልተ መስርዕ ዘመስግኑ መዘምራን ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ቆሙ። ኣነ ኸዓ ምስ ፈረቓ እቶም ሹመኛታትን፥ እቶም ካህናት ድማ ኤልያቄም፥ መዕሴያ፥ ሚንያሚን፥ ሚካያ፥ ኤልዮዔናይ፥ ዘካርያስ፥ ሓናንያ፤ እዚኣቶም መለኸት ሒዞም ነበሩ። ደድሕሪኣቶም ድማ መዕሴያን ሸማያን ኣልኣዛርን ኦዚን ይሆሓናንን መልክያን ዔላምን ዔፅርን ቆምን ሰዓቡ። እቶም ዘመርቲ ኸዓ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፤ ይዝረሕያ ድማ ሓለቓኦም ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ ሰውኡ፤ ኣምላኽ ዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም ስለ ዝነበረ ደስ በሎም፤ እተን ኣንስትን እቶም ቆልዑን ከዓ ተሓጐሱ፤ ሓጐስ ኢየሩሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዐ። ህዝቢ ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን፥ ሪኦም ተሓጐሱ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዝውፈ መስዋእትታትን በዅራትን ዓስራትን፥ ካብ ኵሉ ማሕረስ እተን ከተማታት፥ ከምቲ ሕጊ ግደ ካህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዝእክቡሉ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ ዝእክቡ ዋናታት ኣቖሙ። እቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደገታትን ከዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ናይ ምንፃህ ስርዓትን ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ሰሎሞን ወዱን ሓለዉ። ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍን፥ ኣሕሉቕ ዘመርቲ ነበሩ፤ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን የቕርቡ ነበሩ። ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከዓ ዅሎም እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደገታትን በብመዓልቱ ዘድልዮም ይህብዎም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ ኻብቲ ዝተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ይህብዎም ነበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንመፅሓፍ ሙሴ፥ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበቡ። ኣብኡ ኸዓ ኣሞናውያንን፥ ሞኣባውያንን፥ ንዘለኣለም ናብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣይእተዉ ዝብል ተፅሒፉ ነበረ። ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ እንጀራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን፤ እኳ ደኣ ንእስራኤል ክረግመሎም ንበለዓም ዓደግዎ። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ናብ በረኸት ለወጦ። ደቂ እስራኤል ድማ ነቲ ሕጊ ዝብሎ ምስ ሰምዑ፥ ነቶም ባዕዳን ዝኾኑ ፈለይዎም። ቅድሚ እዙይ፥ ኤልያሴብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ተሸይሙ ዝነበረ፥ ምስ ጦብያ ፅቡቕ ርክብ ነበሮ። መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ኣቑሑን ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዓስራት፥ እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደገታት ዝተኣዘዘሎምን፥ እቲ ንኻህናት ዝውፈ መስዋእትታትን፥ ዘንብሩሉ ዝነበሩ ዓብዪ ኽፍሊ ኤልያሴብ ንጦብያ ሂብዎ ነበረ። ኣነ ግና እዝ ዅሉ ክኸውን እንተሎ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣይነበርኩን። ኣርጤክስስ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ ናብ ባቢሎን ተመሊሰ ነበርኩ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ ኻብ ንጉስ ፍቓድ ለሚነ፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፃእኹ እሞ ኤልያሽብ ኣብ ውሽጢ መካበቢያ ቤት እግዚኣብሄር፥ ንጦብያ ኽፍሊ ቤት ብምሃብ ዝገበሮ ኽፉእ ኣስተውዓልኩ። እዙይ ከዓ የመና ኣጕሃየኒ። ንዅሉ ኣቑሑ ጦብያ ድማ ኻብቲ ኽፍሊ ቤት ንደገ ደርበኽዎ። ነቲ ኽፍልታት ድማ ኸንፅህዎ ኣዘዝኩ፤ ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ድማ መሊሰ ናብኡ ኣእተኽዎ። ኣነውን ስለ ምንታይ እዩ ቤት እግዚኣብሄር ዝተሓደገ ኢለ፥ ምስቶም ኣሕሉቕ ተኸራኸርኩ። ኣከብኩዎምውን፤ በብመደብ ስራሖም ድማ ኣቖምኩዎም። ብዛዕባኡ ንሰለምያን ንሳዶቅ ፀሓፍን፥ ካብ ሌዋውያን ድማ ንፈዳያ ተሓዝቲ መዝገብ ገይረ ሾምኩ። ንሓናን ወዲ ዘኩር ወዲ መታንያ ድማ ኽሕግዞም ሃብክዎም። እሙናት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ድማ፥ ነሕዋቶም ገግደኦም ከካፍልዎም ተመረፁ። ስለዙይ ኦ ኣምላኸይ! ዘክረኒ፤ ነቲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ እሙን ኮይነ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት ከዓ ኸንቱ ኣይኹን። ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ይነብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ዓሳን ኵሉ ዝሽየጥ ነገርን ኣምፂኦም፥ ንደቂ ይሁዳ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ኢየሩሳሌም ይሸጡሎም ነበሩ። ሽዑ ምስ ዓበይቲ ይሁዳ ተኸራኸርኩሞ፦ “እዝ እትገብርዎ ዘለኹም ክፉእ ነገር እንታይ እዩ? መዓልቲ ሰንበት ንምንታይ ተርክሱ ኣለኹም? ኣቦታትኩም እውን ከምኡ ስለ ዝገበሩ እዩ፥ ኣምላኽና እዝ ዅሉ ኽፉእ እዙይ ናብ ልዕሌናን፥ ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣን ዘምፅአልና። ንስኻትኩም ድማ ሰንበት ብምርካስኩም፥ ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተምፅኡ ኣለኹም” በልኩዎም። ስለዙይ ድሮ ሰንበት ነተን ደገታት ኢየሩሳሌም ዋግዋጎ ምስ ኮነ፥ ክዓፅዉወን ኣዘዝኩ፤ ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ከዓ ኸይኸፍትወን ኣዘዝኩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ዝኾነ ሸኽሚ ኸይኣቱ፥ ካብ ሓሻኽረይ ኣብ ብዙሕ በርታት ኣቖምኩ። ሽዑ እቶም ነጋዶን ኵሉ ዓይነት ዝሸጡ ሰባትን ኣብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ሓደ ለይቲ ወይ ክልተ ለይቲ ሓደሩ። ኣነ ድማ ኣመስከርኩሎም እሞ፦ “ኣብ ወፃኢ ቕፅሪ እትሓድሩስ ስለ ምንታይ ኢኹም? ከምዙይ እንተ ደጊምኩም ኣብ ልዕሌኹም ኢደይ ከልዕል እየ በልኩዎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ምምፃእ ሓደጉዎ። ኦ ኣምላኸይ፥ በዝ ዝገበርክዎ ዘክረኒ፤ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ራህርሀለይ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን ድማ ኻብ ኣዛጦንን፥ ካብ ኣሞንን፥ ካብ ሞኣብን ኣንስቲ ዘእተዉ ኣይሁድ ረአኹ። እቶም ደቆም ከዓ ፍርቆም ብቛንቋ ኣዛጦንን፥ ብናይ ካልእ ህዝቢ ቛንቋን ይዛረቡ ነበሩ እምበር፥ ብቛንቋ ኣይሁድ ምዝራብ ኣይኽእሉን ነበሩ። ተቘጢዐ ድማ ረገምክዎም፤ ካብኣቶም ድማ ንብዙሓት ሰባት ወቓዕኹ፤ ፀጕሮምውን ነፀኹ፤ “ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ካብ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩምን ንርእስኹምን ኣይትውሰዱ” ኢለ ድማ ብእግዚኣብሄር ኣምሓልክዎም። ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል በዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን ዝበደለ? ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግና ንእኡውን ባዕዳን ኣንስቲ ኣስሓታኦ። ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ዓብዪ ኽፍኣት ክንገብር፥ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታው ንኣምላኽና ኽንብድል፥ ንኣኻትኩምዶ ኽንሰምዕ ኢና?” ኦ ኣምላኸይ፥ ንኽህነትን ነቲ ምስ ካህናትን ሌዋውያንን ዝኣተኻዮ ኺዳንን ስለ ዘርከሱ ዘክሮም። በዝ ኸምዙይ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ጋሻ ካብ ዝኾነ ነገር ኵሉ ኣፅረኽዎም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኣብ ሰስራሖም መደብክዎም። ኦ ኣምላኸይ፥ ብፅቡቕ ዘክረኒ! ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ንዅሎም ዓበይትን ሹመኛታቱን፥ ንመራሕቲ ሰራዊት ፋርስን ሜዶንን፥ ነቶም ገዛእቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም። ሽዑ ንሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ሃብቲ እቲ ኽብሪ መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉፅ ግርማኡን ኣርኣዮም። እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ሓለፋ፥ እቲ ንጉስ ንዅሎም ነቶም ኣብ ከተማ ሱሳ ዝነበሩ ህዝቢ ድኻን ሃብታምን እንተይፈለየ ኣብ ማእኸል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ ገበረሎም። ኣብ መካበብያ ኣታኽልቲ፥ ፃዕዳን ሓምለዋይን ሰማያውን መጋረጃታት፥ ብፃዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተኣሲሩ፥ ብቐለበታት ብሩር ተንጠልጢሉ፥ ኣብ ልዕሊ ኣዕምዲ እብነ በረድ ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብፃዕዳ እብነ በረድን ብሉልን ብፀሊም እብነ በረድን ዝተኸድነ፥ ምድሪ ቤት ከዓ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ። እቲ መስተታት ድማ ብኣቑሑ ወርቂ ይቐርብ ነበረ፤ እቲ ኣቑሑ ኸዓ በብዓይነቱ ነበረ። እቲ ወይኒ ንጉስ ድማ ኸም ልግሲ ንጉስ የመና ብዙሕ ነበረ። ንጉስ ከዓ ንዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደኣ ኽሰቲ እምበር፥ ንሓደ እኳ ኸይኸልእዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፥ እቲ ምስታይ ከም ድሌትካ ነበረ። ንግስቲ ኣስጢን ድማ፥ ኣብ ቤት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ነንስቲ ምሳሕ ገበረትለን። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ንጉስ፥ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፤ ንምሁማን፥ ንባዛን፥ ንሓርቦናን፥ ንገበታን፥ ንዘቶልታን፥ ንዜታርን፥ ንከርከስን፥ ነቶም ዘገልግልዎ ሸውዓተ ስሉባት ፀውዖም። ንግስቲ ኣስጢን፥ ምልክዕቲ ነበረት እሞ፥ መልክዓ ንህዝብን ንሹመኛታትን ክትርአ፥ ዘውዲ መንግስቱ ደፊኣ ናብ ቅድሚኡ ኸምፅእዋ ኣዘዞም። እቶም ስሉባት ትእዛዝ ንጉስ ምስ ነገርዋ ግና ንግስቲ ኣስጢን ምምፃእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ የመና ተቘጥዐ፤ ቍጥዓኡ ድማ ነደደ። ንንጉስ፥ ሕግን ስርዓትን ብዝምልከት ነገር ከጋጥሞ እንተሎ፥ ነቶም ፈላጣት ሕግን ስርዓትን ፀዊዕኻ ምጥያቕ ልሙድ ነበረ እሞ፥ ሽዑ ነቶም ሕግን ስርዓትን ዝፈልጡ ፀዊዑ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ጠየቖም። እቶም ብዙሕ ጊዜ ንጉስ ምኽሪ ዝጥይቖም ዝነበረ ኸዓ ኻርሽና፥ ሼታር፥ ኣድማታ፥ ተርሺሽ፥ ሜረስ፥ ማርስና፥ መሙካን ነበሩ። እዚኣቶም ኵልሻዕ ኣብ ጥቓ ንጉስ ዝቐርቡን ኣብታ መንግስቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮምን ሸውዓተ ሹመኛታት ፋርስን ሜዶንን እዮም። “ኣነ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስጢን በቶም ስሉባት ገይረ ዝኣዘዝክዋ ስለ ዘይገበረት ከም መጠን ሕጊ እንታይ ይገበር?” ኢሉ ጠየቖም። መሙካን ከዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹመኛታትን፦ “ንግስቲ ኣስጢን ንሓለቓታትን ኣብ ግዝኣትካ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን እያ ዝበደለት እምበር፥ ንኣኻ ንንጉስ ጥራሕ ኣይኮነትን ዝበደለት። እዝ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገር፥ ኵለን ኣንስቲ ኽሰምዓኦ እየን እሞ ‘ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስጢን ናብኡ ኸምፅእዋ ኣዘዘ፤ ግና ኣይመፀትን’ እናበላ ንሰብኡተን ክንዕቓኦም እየን። ሎሚ ድማ ወይዘራዝር ፋርስን ሜዶንን ንግስቲ ዝገበረቶ ዘረባ ምስ ሰምዓ፥ ንዅላቶም ሹመኛታት ንጉስ ከምኡ ኽብላኦም እየን እሞ፥ ብዙሕ ንዕቐትን ባእስን ክፍጠር እዩ። “ኦ ንጉስ፥ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ኣውፅእ፤ ከም ዘይልወጥውን ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይፀሓፍ። ደጊም ኣስጢን ናብ ቅድሜኻ ኣይትእቶ፤ ንጉስ ድማ እቲ ናይ ንግስቲ መዓርግ ንኻልእ፥ ካብአ ንእትሓይሽ ሃባ። ኣዋጅ ንጉስ ኣብ ኵላ እዛ ገፋሕ መንግስትኻ ምስ ተሰምዐ ኸዓ ዅላተን ኣንስቲ ንሰብኡተን፥ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ከኽብራኦም እየን” በለ። እዝ ምኽሪ እዙይ ድማ ንንጉስን ንሹመኛታቱን ደስ ኣበሎም እሞ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ። ኣብ ኵለን ግዝኣቱ ድማ እቲ ንጉስ ንዅሉ ሃገር ከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኸዓ በብቛንቋኡ መልእኽቲ ሰደደ። እተን መልእኽትታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ኽመልኽ ዝእዝዛ ነበራ። ድሕሪዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ ካብ ኵራኡ ምስ ዘሓለ፥ ንኣስጢንን ነቲ ዝገበረቶን ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈረዶ ነገርን ሓሰበ። ሽዑ እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ “ንንጉስ ፅቡቕ ዝመልክዐን ደናግል ኣጓላት ንድለየሉ። እቲ ንጉስ መልክዐን ዝፀበቓ ዅለን ደናግል ናብ ከተማ ሱሳ ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፥ እቲ ስሉብ ሓሽከር ንጉስ ሓላዊ ኣንስቲ፥ ዝእክብወን ሹመኛታት ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስትኻ ይምረፁ። ቅብኣትን ንፅባቐ ዘድልን ከዓ ይወሃበን። ነቲ ንጉስ ደስ እተብል ጓል ድማ ኽንዲ ኣስጢን ንግስቲ ትኹን” በሉ። እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ ኸምኡ ገበረ። ኣብ ከተማ ሱሳ ሓደ መርዶክዮስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኢያዕር፥ ወዲ ሰሜዒ፥ ወዲ ቂስ፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበረ። መርዶክዮስ ምስቶም ምስ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ዝተማረኹ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ዝማረኾ ነበረ። ንሱ፥ ኣስቴር ንዝተብሃለት ሃዳሳ፥ ጓል ሓወቦኡ ነበረቶ። እታ ጓል እቲኣ የመና ምልክዕቲ ነበረት፤ ንምርኣያ ድማ ፅብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን እኖኣን ምስ ሞቱ ኸዓ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ኣዕበያ። ትእዛዝ ንጉስን ፍርዱን ምስ ተሰምዐ፥ ኣብ ኢድ ሄጋይ ናብ ከተማ ሱሳ፥ ብዙሓት ቈናጁ ተኣከባ። ንኣስቴርውን ኣብ ኢድ ሄጋይ ሓላዊ ኣንስቲ ናብ ቤት ንጉስ ኣምፅእዋ። ኣስቴር ድማ ንሄጋይ ደስ ኣበለቶ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንፅባቐ ዘድልያን፥ ዝግብኣ ምግብን፥ ካብ ቤት ንጉስ ዝተመደባላ ሸውዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሃባ። ንኣኣን ነግራዳን ድማ ኻብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለፀ ቤት ኣእተዋ። መርዶክዮስ፥ ኣይትንገሪ፥ ኢሉ ኣዚዝዋ ነበረ እሞ፥ ኣስቴር ህዝባን ዓሌታን ኣይነገረትን። መርዶክዮስ ከዓ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዝገብርዋን ክፈልጥ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ። ሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ቅድሚ ምእታዋ ኸም ስርዓት ኣንስቲ ኽትዳሎ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ የድልያ ነበረ፦ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፥ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ እናተቐብአት ትዳሎ ነበረት። ድሕሪዙይ እታ ቘንጆ ናብ ንጉስ ክትኣቱ እንተላ፥ ካብቲ ቤት ኣንስቲ ዅሉ ዘድልያ ይወሃባ ነበረ። እታ ጓል፥ ምሸት ትኸይድ ነበረት፤ ብጊሓት ድማ ተመሊሳ፥ ኣብታ ኻልአይቲ ቤት ኣንስቲ፥ ናብ ጋይ፥ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ወሰኑ፥ ትኸይድ ነበረት። ንጉስ እንተ ዘይደለያን፥ ብስማውን እንተ ዘይፀውዓን፥ ናብ ንጉስ ኣይትኣቱን ነበረት። ኣስቴር እታ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ዘዕበያ፥ ጓል ኣቢካኢል ሓወቦኡ፥ ናብ ንጉስ ክትኣቱ ተራኣ ምስ በፅሐ፥ ብዘይ ሄጌ፥ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ዝበላ ኻልእ ነገር ኣይደለየትን። ኣስቴር ከዓ በቶም ብዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ዅሎም ፍትውቲ ነበረት። ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ ብዓስረይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ጤቤት፥ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ። ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን እተን ኣንስቲ ኣብሊፁ ፈተዋ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይኑውን ሕልፊ ዅለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቱ ደፍአላ፤ ክንዲ ኣስጢን ድማ ንግስቲ ኾነት። ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹመኛታቱን ንሓሻኽሩን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም። እቲ ድግስ እቱይ ከዓ ንኽብሪ ኣስቴር ነበረ እሞ፥ ኣብታ ሃገር በዓል ኣወጀ፤ ከም ልግስነት ንጉስውን ውህብቶታት ሃበ። በቲ እዋን እቱይ መርዶክዮስ ብንጉስ ተሸይሙ ነበረ። ኣስቴር ከዓ ኸምቲ ምስኡ ተዓቚባ እንተላ ንመርዶክዮስ እትእዘዞ ዝነበረት፥ ከምቲ መርዶክዮስ ዝኣዘዛ፥ ዓሌታን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት። በተን መዓልቲታት እቲኣተን መርዶክዮስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ሽመቱ እንተሎ፥ ቢግታንን ቴረሽን ዝበሃሉ ኻብቶም ነቲ ደገ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኽልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ንጉስ ከልዕሉ ደለዩ። መርዶክዮስ ነቲ ነገር ፈለጦ፤ ንንግስቲ ኣስቴር ከዓ ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም መርዶክዮስ ንንጉስ ነገረቶ። እቲ ነገር ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኽበ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ኦም ተሰቐሉ። እዙይውን ብትእዛዝ ንጉስ ኣብ መፅሓፍ ዜና መዋእል ተፅሓፈ። ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ንሃማ ወዲ ሃመዳቱ እቲ ኣጋጋዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታት ሸሞ፤ ኣኽበሮውን። እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ዅላቶም ሹመኛታት ድማ ንሃማ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። እዙይ ከዓ እቲ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ። መርዶክዮስ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ንጉስ ድማ ንመርዶክዮስ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ?” በልዎ። መዓልቲ መዓልቲ እውን ከምኡ እናበሉ የትክርዎ ነበሩ። ንሱ ግና ምስማዕ ኣበዮም። ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ እሞ፥ ሃማ ንግብሪ መርዶክዮስ ሸለል ዝብሎ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንሃማ ነገርዎ። ሃማ ድማ መርዶክዮስ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ ብቝጥዓ ነደደ። መርዶክዮስ ኣይሁዳዊ ኸም ዝኾነ ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ኢዱ ኽዝርግሕ፥ ኣብ ዓይኑ ዝተንዓቐ ኾይኑ ተርኣዮ፤ ስለዙይ ሃማ ንህዝቢ መርዶክዮስ፥ ነቶም ኣብ ኵላ መንግስቲ ኣርጤክስስ ዝነበሩ ንዅላቶም ኣይሁድ ከጥፍኦም ደለየ። ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ መዓልትን ወርሕን ክፈልጡ ኣብ ቅድሚ ሃማ ፉር፥ ዝተብሃለ ዕፃ የውድቑ ነበሩ። እቲ ዕፃ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ኣዳር በፅሐ። ሃማ ድማ ንንጉስ ኣርጤክስስ “ኣብ ማእኸል እቶም ኣብ ኵለን ግዝኣትካ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ሓደ ፍሉይ ህዝቢ ኣሎ። ሕጎም ከዓ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕግታት ንጉስ እውን ኣይእዘዙን እዮም። ስለዙይ ንጉስ ነዚኣቶም ሸለል ክትብሎም ኣይግባእን እዩ። ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠፍኡ ይፀሓፍ። ኣነ ድማ ናብ ናይ ንጉስ መዝገብ ኣታዊ ዝኸውን ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ ካብ ባዕለይ መዚነ፥ ብኢድ እቶም ዓየይቲ፥ ናብ መዝገብ ንጉስ ከእቱ እየ” በለ። ሽዑ ንጉስ ነታ ማሕተም ዘለዋ ቐለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ንሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ፀላኢ ኣይሁድ ሃቦ። ንጉስ ከዓ ንሃማ “ዝደለኻዮ ኽትገብርስ፥ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንኣኻ ተውሂቡ እዩ” በሎ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ካብ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት፥ ከምቲ ዅሉ ሃማ ዝኣዘዞም ድማ ናብ ሹመኛታት ንጉስን ኣብ በብሃገሩ ንዘለዉ ገዛእትን ኣብ በብህዝቡ ዘለዉ ኣሕሉቕን፥ ከከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ እተን ሃገራትን፥ ከከም ቛንቋ እቶም ህዝብታትን ተርጒሞም ፀሓፉ። እዙይ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ተፅሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓትመ። ብሓንቲ መዓልቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ብወርሒ ኣዳር፥ ንዅላቶም ኣይሁድ፥ ነጕባዝን ንኣረጋውያንን፥ ንህፃናትን ንኣንስትን፥ ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ገንዘቦም ድማ ኽዘምቱን መልእኽትታት ብፈጣናት ፈረሰኛታት ናብ ኵለን ሃገራት ንጉስ ሰደዱ። ነታ መዓልቲ እቲኣ ተዳልዮም ምእንቲ ኽፀንሑ ድማ፥ ቅዳሕ እቲ ኣዋጅ፥ ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵሎም ህዝብታትን ከም ዝበፅሕ ገበሩ። እቲ ኣዋጅ ድማ ኣብ ከተማ ሱሳ ተነግረ። እቶም ፈረሰኛታት ከዓ ብትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ናብ ኵለን ሃገራት ከዱ። ንጉስን ሃማን ድማ ኾፍ ኢሎም ይሰትዩ ነበሩ፤ ከተማ ሱሳ ግና ደንገፀት። መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ። ወጮ ተኸዲንካ ብኣፍ ደገ ንጉስ ምእታው ዘይግባእ እኳ እንተ ነበረ፥ ንሱ ግና ኽሳዕ ኣፍ ደገ ንጉስ መፀ። ኣብ ኵለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ኸዓ፥ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ፆምን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ኮነ። ብዙሓትውን ወጮ ተኸዲኖምን ሓሙዅሽቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ። ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባት ሓለውታን ድማ ናብኣ መፂኦም እዝ ነገር እዙይ ነገርዋ። ሽዑ ኣስቴር የመና ሓዘነት፤ ንመርዶክዮስ ከዓ ኽንዲ ወጮ ኽዳን ክኽደን ሰደደትሉ፤ ግና ኣይተቐበላን። ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ፀውዓቶ፤ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፥ ንጉስ ከገልግልዋ ኢሉ ዝመደበላ ነበረ። እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ፥ ስለ ምንታይውን ከም ዝኾነ ኸፍልጣ ናብ መርዶክዮስ ክኸይድ ኣዘዘቶ። ኣክራትዮስ ድማ ናብ መርዶክዮስ፥ ናብታ ቕድሚ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበረት ገፋሕ ኣደባባይ እታ ኸተማ ወፀ። መርዶክዮስ ከዓ እቲ ንእኡ ዝወረዶ ዅሉ ነገርን፥ ሃማ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ መዝገብ ንጉስ ከእትዎ ኢሉ ዝመዘኖ ቝፅሪ እቲ ገንዘብን ነገሮ። እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳ ዝተሓገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ከርእያን ክነግራን ናብ ንጉስ ኣትያ ድማ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ኢሉ ንኣክራትዮስ ሃቦ። ኣክራትዮስ ድማ ናብ ኣስቴር መፂኡ፥ መርዶክዮስ ዝበሎ ነገራ። ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ንመርዶክዮስ ከምዙይ ኢሉ ኽነግሮ ኣዘዘቶ፦ “ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ እንተይተፀውዐ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝኣተወ ኽመውት ሕጊ ኸም ዘሎ ዅሎም ሓሻኽር ንጉስን ኣብ ግዝኣቱ ዘለዉ ህዝብን ይፈልጡ እዮም፤ እቲ ንጉስ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሐሉ ጥራሕ እዩ ዝድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክኣቱ ኻብ ዘይፅዋዕ፥ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ” በለት። ዘረባ ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ነገሮ። መርዶክዮስ ድማ ንኣክራትዮስ፥ ኪድሞ ንኣስቴር ከምዙይ በላ በሎ፦ “ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘለኺ፥ ካብ ኵሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፥ ንበይንኺ ኽድሕን እየ ኢልኪ ኣይትሕሰቢ። በዝ ጊዜ እዙይ ስቕ እንተ በልኪ፥ ንኣይሁድ ሓገዝን ድሕነትን ካብ ኻልእ ቦታ ኽመፅእ እዩ፤ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ኽትጠፍኡ ኢኹም። ንስኺ ኸምዙይ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መፂእኺ እንተ ኾንኪኸ፥ መን ይፈልጥ?” ሽዑ ኣስቴር ንመርዶክዮስ፦ “ኪድ እሞ፥ ኣብ ሱሳ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን እንተይበላዕኹምን እንተይሰተኹምን ምእንታይ ፁሙ፤ ኣነውን ምስ ኣግራደይ ኮይነ ኽፀውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ፥ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፤ እንተ ሞትኩ እሙት” ኢላ ለኣኸትሉ። መርዶክዮስ ከዓ ኸይዱ፥ ከምቲ ኣስቴር ዝኣዘዘቶ ዅሉ ገበረ። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ኣብቲ ኣብ መንፅር ቤተ መንግስቲ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ፥ ኣብ ዙፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐሚጡ ነበረ። ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበት፤ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ፤ ኣስቴርውን ቅርብ ኢላ ጫፍ ዘንጉ ነኽአት። ሽዑ ንጉስ “ንንግስቲ ኣስቴር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እንታይከ ትደልዪ ኣለኺ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ ኽወሃበኪ እዩ” በላ። ኣስቴር ድማ “ንጉስ ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ናብቲ ኣዳልየዮ ዘለኹ ምሳሕ፥ ምስ ሃማ ዄንካ ሎሚ ምፀኒ” በለቶ። እቲ ንጉስ ድማ፦ “ኣስቴር ዝበለቶ ምእንቲ ኽግበር፥ ንሃማ ቐልጢፍኩም ፀውዕዎ” በለ። ንጉስን ሃማን ከዓ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ መፁ። ወይኒ እናሰተዩ እንተለዉ፥ ንጉስ ንኣስቴር “ልመናኺ እንታይ እዩ? ምእንቲ ኽወሃበክስ እንታይ እዩ ድልየትኪ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ ኽወሃበኪ እዩ” በላ። ኣስቴር ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ንጉስ ከዓ ልመናይ ክትህበንን ድልየተይ ክትገብርን ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ ናብቲ ፅባሕ ዝገብሮ ምሳሕ፥ ምስ ሃማ ዄንካ ምፀኒ፤ ሽዑ ኸምቲ ዝጠየቕካኒ፥ ልመናይን ድልየተይን ክነግረካ እየ” ኢላ መለሰት። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሃማ ደስ ኢሉዎ፥ ልቡ ኸዓ ተሓጕሱ ኻብቲ ምሳሕ እንትወፅእ እንተሎ መርዶክዮስ ኣብ ደገ ንጉስ ብድድ እንተይበለ፥ ካብኡውን እንተይተነቓነቐ ኾፍ ኢሉ ኸም ዘሕለፎ ምስ ረአየ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ቍጥዓ መልኦ። ሃማ ግና ንባዕሉ ኣህዲኡ ሓለፈ። ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ ኸዓ ልኢኹ ንፈተውቱን ንዞሳራ ሰበይቱን ክመፁ ፀውዖም። ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፥ ንጉስ ብዅሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕን ሓሻኽር ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎ ነገሮም። ወሲኹ ድማ “ንግስቲ ኣስቴር እኳ ናብቲ ዝገበረቶ ምሳሕ ምስ ንጉስ ብዘይ ንኣይ ካልእ ኣይፀውዐትን። ንፅባሕ ድማ ምስ ንጉስ ተፀዊዐ ኣለኹ። እንተ ኾነ፥ መርዶክዮስ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዘሎ ግና፥ እዝ ዅሉ ደስ ኣየብለንን እዩ” በለ። ሽዑ ዞሳራ ሰበይቱን እቶም ፈተውቱ ዅላቶምን ኮይኖም “ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ ጕንዲ ኣዳሉ፤ መርዶክዮስ ኣብኡ ኽስቀልስ ፅባሕ ንግሆ ንንጉስ ንገሮ። ድሕሪቱይ ምስ ንጉስ ናብቲ ምሳሕ ደስ ኢሉካ ትኸይድ” በልዎ። እዝ ነገር እዙይ ንሃማ ደስ ኣበሎ እሞ፥ ጕንዲ ኸም ዘዳልዉ ገበረ። እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ስኢኑ ሓደረ፤ ነቲ ናይ መንግስቱ መፅሓፍ ዜና መዋእል ከምፅኡሉ ኸዓ ኣዘዘ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ተነበበ። ኣብኡ ኸዓ እቶም ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ፥ ገበታን ታራን፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ክቐትልዎ ሻራ ገይሮሙሉ ኸም ዝነበሩ፥ መርዶክዮስ ድማ ኸም ዝነገሮ ተፅሒፉ ተረኽበ። ሽዑ እቲ ንጉስ “ብዛዕባ እዙይከ ንመርዶክዮስ ከመይ ዝበለ ኽብረትን ዕቤትን ተገብረሉ?” ኢሉ ጠየቐ። እቶም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሓሻኽር ንጉስ ድማ “ዝኾነ ነገር እኳ ኣይተገበረሉን” ኢሎም መለሱ። እቲ ንጉስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስቲ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቐ። ሃማ ንመርዶክዮስ ኣብቲ ንእኡ ዘዳለወሉ ጕንዲ ኽሰቕሎ፥ ንንጉስ ክነግር ኢሉ፥ ናብቲ ቕፅሪ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ነበረ። እቶም ሓሻኽር ንጉስ ድማ “እንሆ፥ ሃማ ኣብ ቅፅሪ ቤተ መንግስቲ ደው ኢሉ ኣሎ” በልዎ። ንጉስ ከዓ “ይእቶ” በሎም። ሃማ ድማ ኣተወ፤ ንጉስ ከዓ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ?” ኢሉ ጠየቖ። ሃማ ድማ ብልቡ “ንጉስ ንኣይ እንተ ዘይኮይኑስ ንመን ከኽብር ይደሊ?” ኢሉ ሓሰበ። ንንጉስ ድማ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝፈተዎ ሰብስ፥ ንጉስ ዝኽደኖ ልብሲ መንግስቱ፥ ንጉስ ዝቕመጦ ፈረስ የምፅኡሉ፤ ኣብ ርእሱ ድማ ዘውዲ ንጉስ ይድፍኡሉ። እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ከዓ ኣብ ኢድ ሓደ ኻብቶም ክቡራት ሹመኛታት ንጉስ ይወሃብ እሞ፥ ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ዝደሊ ሰብ ድማ ይኽደንዎ። ኣብ ፈረስ ኣቐሚጦምውን ብኣደባባይ እታ ኸተማ የዙርዎ፤ ቀቅድሚኡ ኸዓ፥ ‘ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ ከምዙይ ይግበረሉ’ ኢሎም ኣዋጅ ይኣውጁ” በለ። ሽዑ ንጉስ ንሃማ “ቐልጢፍካ ልብስን ፈረስን ውሰድ፤ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣይሁዳዊ መርዶክዮስ ከምቲ ዝበልካዮ ኸምኡ ግበረሉ። ካብዝ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይጕደል” በሎ። ሃማ ድማ እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ወሰደ፤ ንመርዶክዮስ ድማ ኸደኖ፤ ኣብ ፈረስውን ኣቐመጦ፤ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ቐቅድሚኡ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ ከምዙይ ይግበረሉ” እናበለ ኣዋጅ ነገረ። መርዶክዮስ ናብ ደገ ንጉስ ተመለሰ፤ ሃማ ግና ጕህዩ ርእሱ ተጐልቢቡ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ። ሃማ ዅሉ እቲ ዝረኸቦ ንዞሳራ ሰበይቱን ንዅሎም ፈተውቱን ነገሮም። እቶም ጠቢባኑን ዙሳራ ሰበይቱን ድማ “መርዶክዮስ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘለኻ፥ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ፈፂምካ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ኢኻ እምበር፥ ክትስዕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ” በልዎ። ገና ንሳቶም ምስኡ ኽዛረቡ እንተለዉ፥ እቶም ናይ ንጉስ ስሉባት መፁ፤ ንሃማ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ ከምፅእዎ ኸዓ ኣሻዀልዎ። ንጉስን ሃማን ከዓ ኽመስሑ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መፁ። በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወይኒ ኽሰትዩ እንተለዉ ድማ እቲ ንጉስ መሊሱ ንኣስቴር “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፥ ልመናኺ እንታይ እዩ? ኽገብረልኪ ድልየትኪ እንታይ እዩ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ እኳ፥ ክህበኪ እየ” በላ። ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ “ኦ ንጉስ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበ፥ ንጉስ ከዓ እንተ ፈቲኻ፥ ኣነን ህዝበይን ብህይወት ክንነብር እየ ዝልምነካ ዘለኹ። ኣነን ህዝበይን ንጥፍኣትን ንማሕረድን ንምድምሳስን ተቐሪብና ኢና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሼጥና እንተንኸውንስ ስቕ ምበልኩ፤ ንኣኻ ንንጉስውን ኣይመሸገርኩኻን ነይረ። ሕዚ ግና እቲ ፀላኢ ኸጥፍአናን ክድምስሰናን እዩ መዲቡ ዘሎ” በለት። ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴር “እቲ ነዙይ ክገብር ዝደፍር መን እዩ? ኣበይከ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቓ። ሽዑ ሃማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ብፍርሓት ኣንቀጥቀጠ። ንጉስ ካብቲ ወይኒ ዝሰትየሉ ዝነበረ ብቝጥዓ ተሲኡ፥ ናብ ኣታኽልቲ እቲ ኣዳራሽ ከደ። ሃማ ግና፥ ንጉስ ክቐፅዖ ኸም ዝመደበ ፈሊጡ ስለ ዝነበረ፥ ህይወቱ ኽተምሕሮ ንንግስቲ ኣስቴር ክልምን ኣብኡ ተሪፉ ነበረ። እቲ ንጉስ ከዓ ኻብቲ ኣታኽልቲ ኣዳራሽ ናብቲ ወይኒ ዝሰትዩሉ ዝነበሩ ቤት ምስ ተመለሰ፥ ሃማ ናብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዝነበረቶ ዓራት ወዲቑ ነበረ። ሽዑ እቲ ንጉስ “ሕዝስ ድማ ኣብ ቤተይ ኣብ ቅድመይ ንንግስቲዶ ኽዕምፃ ደልዩ?” በለ። እዝ ቓል እዙይ ካብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወፀ፥ ንሃማ ገፁ ሸፈንዎ። ሓርቦና፥ ሓደ ካብቶም ስሉባት፥ ንንጉስ “ሃማ ንመርዶክዮስ፥ ነቲ ንንጉስ ካብ ሞት ዘድሓነ ኽሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ ጕንዲ፥ እንሆ፥ ኣብ ቤት ሃማ ተተኺሉ ኣሎ” በለ። ንጉስ ከዓ “ንሃማ ኣብኡ ስቐልዎ” በሎም። ሽዑ ንሃማ ኣብቲ ንመርዶክዮስ ክሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፤ ቍጥዓ ንጉስውን ዘሓለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ናይ ሃማ እቲ ፀላእ ኣይሁድ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ፥ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር፥ መርዶክዮስ ዘመዳ ምዃኑ ንንጉስ ነጊራቶ ነበረት እሞ፥ መርዶክዮስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ። ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማ ዝወሰዶ ማሕተም ዘለዎ ቐለበቱ ኣውፂኡ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሃማ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ ሸመቶ። ኣስቴር ድማ መሊሳ ኣብ እግሪ ንጉስ ወዲቓ እናበኸየት ለመነቶ፤ ነቲ ሃማ ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፈሓሶ ተንኰል ከፍርስ ለመነቶ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር ነቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሐላ፤ ኣስቴር ከዓ ተሲኣ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት። ከምዙይ ድማ በለት፦ “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ኸዓ ብኣኻ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፥ ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ከጥፍእ ሓሲቡ ዝፀሓፈን መልእኽትታት ክልወጣ ኣውጅ። ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዝመፅእ መከራ ኽርኢ እኽእል? ከመይ ገይረኸ ጥፍኣት ኣዝማደይ ክፃወር እኽእል?” ሽዑ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንመርዶክዮስ ኣይሁዳውን “እንሆ፥ ሃብቲ ሃማ ንኣስቴር ሂበያ ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ንኣይሁድ ከጥፍእ ኢዱ ስለ ዝዘርግሐ ኣብ ጕንዲ ተሰቐለ። ሕዚ ኸዓ እቲ ብስም ንጉስ ዝተፅሓፈን ብቐለበት ንጉስ ዝተሓትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባ ኣይሁድ፥ ደስ ዝበለኩም ብስመይ ፀሓፉ፤ ብቐለበተይውን ሕተምዎ” በሎም። በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሲዋን እትበሃል ሳልሰይቲ ወርሒ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ከምቲ ዅሉ መርዶክዮስ ዝኣዘዞ፥ ናብ ኣይሁድን ናብ ሹመኛታትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ኣሕሉቕ ናይተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት በብሃገር ከከም ኣፀሓሕፋኡ፥ በብህዝቢ ኸዓ ኸከም ቛንቋኡ፥ ንኣይሁድ ድማ ኸከም ኣፀሓሕፋኣቶምን ከከም ቋንቋኣቶምን ፀሓፉሎም። መርዶክዮስ ድማ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ፀሓፎ፤ ብቐለበት ንጉስውን ሓተሞ። ነዝ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ንጉስ ዝተቐመጡ ልኡኻት ገይሩ ሰደዶ። ኣብቲ መልእኽቲ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኵለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ክእከቡ እሞ ንህይወቶም ክከላኸሉ፥ ነቶም ሓደጋ ዘውድቑሎም ናይ ኵሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስ ናይ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ንብረቶም ክዘርፉን ፈቐደሎም። እዙይ ኣብ ኵለን ሃገራት ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ኸዓ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ሰለስተ ወርሒ እዩ። ኣይሁድ ድማ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንፀላእቶም ሕነ ኽፈድዩ ኽዳለዉስ፥ ቅዳሕ እቲ ፅሕፈት ኣብ ኵለን ሃገራት ትእዛዝ ክወሃብ፥ ንዅሎም ህዝብታት ተኣወጀ። እቶም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ዝተቐመጡ ልኡኻት፥ ብትእዛዝ ንጉስ ብቕልጡፍ፥ ናብ ኵለን ሃገራት ወፁ። ከምኡውን እቲ ትእዛዝ ኣብ ከተማ ሱሳ ተኣወጀ። መርዶክዮስ ድማ ሰማያውን ፃዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፥ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፥ ብሃሪ ዝተኣልመ ቐይሕን ፃዕዳን ዓለባ ተወንዚፉ፥ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ከተማ ሱሳ ኸዓ ዕልል እናበለት ተሓጐሰት። እዙይ ከዓ ንኣይሁድ ብርሃንን ሓጐስን ደስታን ክብረትን ኮነ። ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ በታ ቓል ንጉስን ትእዛዙን ዝፍፀመላ መዓልቲ፥ በታ ፀላእቲ ኣይሁድ ክዕብልልዎም ተስፋ ገይሮምላ ዝነበሩ መዓልቲ፥ እቲ ነገር ተገልቢጡ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ስልጣን ረኸቡ። እቶም ኣይሁድ ኣብ ኵለን ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ነቶም ክፉእ ክገብርዎም ዝደልዩ ዝነበሩ ኸጥፍኡ ናብ ከተማታቶም ተኣከቡ፤ ፍርሓት ኣብ ኵሎም ህዝብታት ወዲቑ ስለ ዝነበረ፥ ንኣኣቶም ክቃወም ዝኽእል ኣይነበረን። ኵሎም ሹመኛታት እተን ሃገራትን መኳንንትን መሳፍንትን፥ ኵሎም ናይ መንግስቲ ተወከልቲ ንመርዶክዮስ ስለ ዝፈርሕዎ ንኣይሁድ ሓገዝዎም። መርዶክዮስ ልዕል ልዕል እናበለ ስለ ዝኸደ፥ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዓብዪ ኾይኑ ነበረ፤ ዝና መርዶክዮስውን ኣብ ኵለን ሃገራት ተሰምዐ። ኣይሁድ ንዅሎም ፀላእቶም ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎም፤ ኣጥፍእዎምውን። ንዅሎም ፀላእቶም ከም ዝደለዩ ገበርዎም። ኣይሁድ ኣብ ሱሳ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ጥራሕ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ቀቲሎም ኣጥፍኡ። ንፈርሰኔስ፥ ንደልፎን፥ ንፋስጋ፥ ንፋረዳታ፥ ንበርያ፥ ንሰርባካ፥ ንመርመሲማ፥ ንሩፋዮስ፥ ንአርሳዮስ፥ ንዛቡታዮስ፥ ነዞም ዓሰርተ ደቂ ሃማ፥ ወዲ ሃመዳታ ፀላእ ኣይሁድ፥ ቀተልዎም፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ቍፅሪ እቶም ኣብ ከተማ ሱሳ ዝተቐትሉ ናብ ንጉስ መፀ። ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር “ኣይሁድ ኣብ ከተማ ሱሳ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባትን ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ቀተሉ፤ ኣጥፍእዎምውን። ኣብተን ካልኦት ግዝኣተይ ደኣ ኸመይ ገይሮም ይኾኑ? ሕዚኸ እንታይ እዩ ልመናኺ? ኽወሃበኪ እዩ፤ እንታይከ ትደልዪ? ኽፍፀመልኪ እዩ” በላ። ሽዑ ኣስቴር “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ነዞም ኣብ ሱሳ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ፅባሕ ድማ ኸምዝ ናይ ሎሚ ዝበለ ኽገብሩ፥ ሬሳ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማ ድማ ኣብ ጕንዲ ኽስቀል፥ ኣዝዝ” በለቶ። ንጉስ ከዓ “ከምኡ ይገበር” በለ። እቲ ትእዛዝ ኣብ ሱሳ ተውሃበ እሞ፥ ሬሳ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማ ኣብ ጕንዲ ተሰቕለ። እቶም ኣብ ሱሳ ዝነበሩ ኣይሁድ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ተኣከቡ፤ ኣብ ሱሳ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ቀተሉ፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን። እቶም ኣብተን ግዝኣት ንጉስ ዝነበሩ ኻልኦት ኣይሁድ ድማ ንህይወቶም ክከላኸሉን ካብ ፀላእቶም ዕረፍቲ ኽረኽቡን ተኣከቡ። ካብቶም ፀላእቶም ድማ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተሉ፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን። እዙይ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ተገብረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ግና ኣዕረፉ፤ መዓልቲ ድግስን ሓጐስንውን ገበርዋ። እቶም ኣብ ሱሳ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፥ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተን ዓሰርተ ኣርባዕተን መዓልቲ ተኣከቡ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ኸዓ ኣዕረፉ፤ ንኣኣውን መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ገበርዋ። ስለዙይ ከዓ እዮም እቶም ኣብ ገጠራትን ኣብ ዘይተዓረዳ ኸተማታትን ዝነብሩ ኣይሁድ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ናይ ዓብዪ ሓጐስን ድግስን በዓል ዘብዕሉ፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶ ዝወሃሃቡ። መርዶክዮስ ድማ ነዝ ነገር እዙይ ፅሒፉ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዉ ዅላቶም ኣይሁድ መልእኽትታት ሰደደ። ንመበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልትን፥ ንመበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልትን ናይ ወርሒ ኣዳር፥ በብዓመቱ ኸብዕልወን ኣዘዞም። እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ኣይሁድ ካብ ፀላእቶም ዝዓረፉለን መዓልቲታት እየን። እዝ ወርሒ እዙይ ከዓ፥ ካብ ሓዘን ናብ ሓጐስ፥ ካብ ብኽያት ናብ ፅቡቕ ዝተለወጠሉ ዕለት እዩ። ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን መዓልቲታት ድግስን ሓጐስን ክገብርወን፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶታት ክወሃሃቡ፥ ንድኻታት ድማ ምፅዋት ክምፅውቱ ኣዘዞም። እቶም ኣይሁድ ድማ ኸምቲ መርዶክዮስ ዝፀሓፈሎም ነቲ ጀሚሮምዎ ዘለዉ በዓል፥ ከብዕልዎ ተሰማምዑ። ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ፀላእ ዅሎም ኣይሁድ፥ ንኣይሁድ ከጥፍኦም ኢሉ ተተናዂልዎም ነበረ። ክድምስሶምን ከጥፍኦምን ከዓ ፉር ዝበሃል ዕፃ፥ ኣውዲቑሎም ነበረ። ኣስቴር ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወት ግና፥ ንሱ መልእኽትታት ፅሒፉ “እቲ ሃማ ንኣይሁድ ዝተተናዀሎም ሕሱም ተንኰል ኣብ ርእሱ ይመለስ፤ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ጕንዲ ይሰቐሉ” ኢሉ ኣዘዘ። ስለዙይ ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ፉሪም ኢሎም ሰመይወን። “ፉሪም” ካብ ፉር ዝብል ቃል ዝመፀ እዩ። እምበኣር ከምቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝተፅሓፈ ዅሉ ቓል፥ ከምቲ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝረአይዎን፥ ከምቲ ዅሉ ዝረኸቦምን፥ እቶም ኣይሁድ ንርእሶምን ንዘርኦምን ንዅሉ ናብኣቶም ዝተፀግዐን እዘን ክልተ መዓልቲ እዚኣተን፥ ከምቲ ተፅሒፉ ዘሎ በብእዋኑን በብመዓልቱን እንተየዛብዑ ኸብዕሉ ተቐቢሎም ኣፅንዕዎ። እዘን ፉሪም ዝበሃላ መዓልቲታት እዚኣተን፥ ኣብ ኵሉ ትውልድታት፥ በብዓሌቱን በብሃገሩን በብኸተማኡን ክዝከራን ክበዓላን፥ ኣይሁዳውያን ዝኾኑ ዅሎም ከብዕልወን፥ መዘከርታአንውን ካብ ዘርኦም ከቶ ኸይጠፍኣ ወሰኑ። ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢካኢልን መርዶክዮስን፥ ነታ ብዛዕባ ፉሪም እትገልፅ መልእኽቲ ብምሉእ ሓይሎም ከፅንዕዋ ኻልአይቲ መልእኽቲ ፀሓፉ። ቅዳሕ ናይታ መልእኽቲ ድማ ናብ ኵሎም ኣይሁድ፥ ናብተን ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ ተልኣኸ። ኣስቴርን መርዶክዮስን ንዅሎም ኣይሁድ ሰላምን ህድኣትን ተመነዩሎም። ከምቲ ንሳቶምን ዘርኦምን ብፆምን ብምህለላን ዝሰርዕዎን ኣፅኒዖም ዝሓለውዎን፥ ከምኡ ኸዓ መዓልቲታት ፉሪም ክሕልዉ ኸም ዝግባእ ኣዘዝዎም። በዝ ኸምዙይ ትእዛዝ ኣስቴር ነዝ ናይ ፉሪም ነገር ኣፅንዖ። እዙይ ከዓ ኣብ መፅሓፍ ተፅሓፈ። ንጉስ ኣርጤክስስ ከዓ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ግብሪ ኣውደቐ። ናይ ሓይሉን ናይ ጅግንነቱን ኵሉ ግብሩን፥ ምሉእ ታሪክ ናይቲ ንጉስን፥ ንመርዶክዮስ ከመይ ገይሩ ልዕል ከም ዘበሎን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? መርዶክዮስ እቲ ኣይሁዳዊ ንንጉስ ኣርጤክስስ ብመዓርግ ካልኣይ ነበረ። ኣብ ኣይሁድ ክቡር፥ በቶም ብዙሓት ኣሕዋቱ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ህዝቡ ፅቡቕ ክረኽቡ፥ ኵሎም ዘርኡ ድማ ብደሓን ክነብሩ ይፅዕረሎም ነበረ። ኣብ ምድሪ ዑፅ ኢዮብ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ንሱ ፍፁምን ቅኑዕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ሰብ ነበረ። ንሱ ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ተወሊዶሙሉ ነበሩ። ጥሪቱ ድማ ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሰለስተ ሽሕ ኣግማል፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ፅምዲ ኣብዑር፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ወላዳት ኣእዱግ ነበረ፤ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዝ ሰብ እዙይ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝበለፀ ዓብዪ ነበረ። እቶም ኣወዳት ደቁ ድማ፥ በብተራኣቶም እናተዓዳደሙ፥ ኣብ ገገዛኦም ይመስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከዓ፥ ምእንቲ ምስኣቶም ክበልዓን ክሰትያን፥ ይፅውዕወን ነበሩ። እተን ንምሳሕ ዝእከቡለን መዓልቲታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ ኢዮብ ምናልባት ደቀይ በዲሎም ንእግዚኣብሄርውን ብልቦም ፀሪፎም ይኾኑ እናበለ ፀዊዑ ይቕድሶም ነበረ፤ ኣንጊሁ ተሲኡ ብቝፅሪ ነፍሲ ወከፎም ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ ነበረ፤ ኵሉ ጊዜውን ከምዙይ ይገብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ደቂ እግዚኣብሄር መፂኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆሙ። ሰይጣን ድማ ኣብ ማእኸሎም መፀ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ሰይጣን ድማ “ንምድሪ ኽዞራን ክመላለሰላን ፀኒሐ መፃእኹ” ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሰይጣን “ንባርያይ ኢዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? ኸም ኢዮብ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽን ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን” በሎ። ሰይጣን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኢዮብ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኸካ ብኸምኡ ኣይኮነን። ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ንዘሎ ዅሉን ሓለኻዮ፤ ንተግባር ኢዱውን ባረኽካዮ፤ ምድሪ ዝመልኣ ጥሪት ድማ ሃብካዮ። እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ጥሪቱ ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ኣብ ልዕሊኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፥ ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሰይጣን ከዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፀ። ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኒ ይሰትዩን ነበሩ። መልእኽተኛ ናብ ኢዮብ መፂኡ፥ “እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፤ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኦም ይበልዓ ነበራ፤ ሽዑ ሰብ ሳባ መፂኦም ሓደጋ ኣውዲቖም ወሰድዎም፤ ነቶም ኣገልገልቲ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ። ንሱ ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ “ናይ እግዚኣብሄር ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፥ ነተን ጤለ በጊዕን ነቶም ኣገልገልትን ኣቃፀለቶምን በልዐቶምን። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ። ንሱውን ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ፥ “ከለዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ኾይኖም፥ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ኣብፂሖም ዘመትወን፤ ነቶም ኣገልገልቲውን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ። ንሱውን ክናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ “ኣወዳትካን ኣጓላትካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ። ሽዑ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ካብ በረኻ መፂኡ፥ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና ወቕዓ፤ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፤ ንሳቶም ከዓ ሞቱ። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ። ሽዑ ኢዮብ ተሲኡ ብሓዘን ክዳኑ ቐደደ፤ ርእሱውን ተላፀየ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ኢዮብ በዝ ዅሉ ዝበፅሖ ኣይበደለን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይነቐፈን። ኮነ ኸዓ፥ ሓደ መዓልቲ ደቂ እግዚኣብሄር መፂኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆሙ። ሰይጣን ድማ መፂኡ፤ ኣብ ማእኸሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆመ። ሰይጣን ከዓ “ንምድሪ ኽዞራን ክመላለሰላን ፀኒሐ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ንኢዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ? ከምኡ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ካብ ክፉእ ዝረሓቐን፥ ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን። ንስኻ ብዘይ ምኽንያት ክተጥፍኦ ኽፈቕደልካ ለመንካኒ፥ ንሱ ግና ኸም ቀደሙ ፍፁም ኮይኑ ይነብር ኣሎ” በሎ። ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር “ ‘ቈርበት ክንዲ ቘርበት’ ከም ዝበሃል፥ ሰብ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር ኵሉ ዘለዎ ይህብ እዩ። እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ኣዕፅምቱን ስጋኡን ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን “ንሱ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ግና ህይወቱ ኸይትነክእ ተጠንቀቕ” በሎ። ሽዑ ሰይጣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ ኸደ እሞ፥ ንኢዮብ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታኡ ብብርቱዕ ቍስሊ ወቕዖ። ኢዮብ ድማ ዝሓከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ። ሽዑ ሰበይቱ “ገናዶ ኸም ቀደምካ ፍፁም ኴንካ ትነብር ኣለኻ? ንእግዚኣብሄር ፅረፍሞ ሙት” በለቶ። ንሱ ግና “ንስኺ ኸም ኣዘራርባ ሰነፍ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣለኺ። ካብ እግዚኣብሄር ሰናይ ነገር ካብ ተቐበልና፥ ነቲ መከራኸ ኽንቅበልዶ ኣይግብአናን እዩ?” በላ። ኢዮብ በዝ ዅሉ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ብኸንፈሩ ኣይበደለን። ኤሊፋዝ በዓል ቴማን፥ በልዳዶስ በዓል ሹሓ፥ ሶፋር በዓል ናዕማ፥ ዝበሃሉ ሰለስተ ፈተውቲ ኢዮብ፥ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ምስኡ ኽሓዝኑን ከፀናንዕዎን ንኺድ ተበሃሂሎም ከካብ ዓዶም መፁ። ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፥ ዓው ኢሎም በኸዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኽዳውንቶም ብጓሂ ቐደዱ፤ ናብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ። ድሕሪዙይ ድማ ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ሸውዓተ መዓልትን ሸውዓተ ለይትን ምስኡ ቐነዩ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረአዩ ድማ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን። ድሕሪዙይ ኢዮብ ኣፉ ኸፊቱ፥ ነታ ዝተወለደላ መዓልቲ ረገማ። ከምዙይ ድማ በለ፦ እታ ወዲ ተጠኒሱላ እተብሃለትላ ለይትን ትጥፋእ። ብርሃን ድማ ኣብኣ ኣይብራህ። እቲ ንመዓልቲ ዘፀልምት ድማ የደንግፃ። ኣብ ቍፅሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ። ዕልልታውን ኣይእተዋ። ንሌዋታን ድማ ኸንቀሳቕሱ ዝኽእሉ ይርገምዋ። ናይ ወጋሕታ ቕርንብ ዓይኒ ኸቶ ኣይትርአ።” ወይ ካብኡ ወፂአስ ስለ ምንታይ ሽዑ ንሽዑ ዘይጠፋእኹ? ስለ ምንታይከ ጡብ ጠበኹ? ተታኺሰውን ምዓረፍኩ ነይረ። ምስቶም ዓንዩ ዘሎ ኣዳራሻት ዘህነፁን፥ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንትን፥ መዕረፍኩ ነይረ። ከምቲ ብርሃን ዘይረአየ ህፃን ምኾንኩ ነይረ! እቶም ዝደኸሙውን ኣዕሪፎም ኣለዉ። ድምፂ እቶም ዘጨንቕዎምውን ኣይሰምዑን። ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወፂኡ እዩ።” ነፍሶም መራር ንዝኾነቶም፥ ንሞት ዝሕልዉዎሞ ንዘይረኽብዎ፥ ህይወት ንምንታይ ተውሃበ? ስለ ምንታይ እዩ ብርሃን ዝተውሃቦ? ገዓረይውን ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ። እቲ ዝደንገፅኵሉውን በፂሑኒ እዩ። ኣይዓረፍኩን ግና መከራ መፀኒ።” ድሕሪዙይ ኤሊፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ዘረባኡ ኻብ ምዝራብ ዝዓግትከ መን እዩ? ንዝደኸማ ኣእዳው ከዓ ተበርትዕ ነበርካ። ንስኻውን ረይረይ ንዝብሉ ኣብራኽ ተፅንዕ ነበርካ። ኣባኻ በፅሐ፤ ንስኻውን ተሸገርካ። መንገዲ ቕንዕናኻውን ተስፋኻዶ ኣይኮነን?” ልቡ ቅኑዕ ኾይኑ ድማ ዝተደምሰሰ መንዩ? ንእኡ እዮም ዝዓፅዱ። ብመንፈስ ቍጥዓኡውን ይድምሰሱ። ኣስናን ደቦል ኣንበሳ ተሰባበረ። ኰራዅር እታ ዋዕሮ ኸዓ ፋሕ ይብሉ።” እዝነይ ድማ ነቲ ሕሽዅሹኽ ሰምዐት። ዝኸበደ ድቃስውን ኣብ ልዕሊ ሰባት እንትወድቕ፥ ድንጋፀን ምንቅጥቃጥን ወደቑኒ። ፀጕሪ ስጋይ ቆመ። ህድኣት ኮነ፤ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ። ወይ ከዓ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ኽነፅህዶ ይኽእል እዩ? ንመላእኽቱውን ስንፍና ይኸሶም። ከም ሓሰኻ እውን ዝጭፍለቑ ኸመይ ይኾኑ! ማንም እንተይሓሰቦ ንዘለኣለም ይጠፍኡ። ብዘይ ጥበብ ከዓ ይሞቱ።” ካብ ቅዱሳንከ ናብ ኣየንኦም ግልፅ ክትብል ኢኻ? ንሰነፍ ከዓ ቕንኣት የጥፍኦ። ብድንገትውን ንቤቱ ረገምክዋ። ኣብ ውሽጢ በሪ ተረጊፆም፥ ዘናግፎምውን የለን። ዝፀምአ ነቲ ሃብቶም ይውሕጦ። ሽግርውን ካብ ምድሪ ኣይበቍልን። ከምኡውን ሰብ ንመከራ እዩ ዝውለድ።” ነገረይውን ናብ እግዚኣብሄር መቕረብኩ። ዘይቝፀር ተኣምራትን ይገብር። ኣብ ልዕሊ ገራሁውን ማይ ይልእኽ። ንሕዙናት ንድሕነት ልዕል ልዕል የብሎም። ንሓሳብ ተንኰለኛታት ከንቱ ይገብሮ። ንምኽሪ ጠዋያት ድማ ይብትኖ። ብቐትሩ ድማ ኸም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ። ካብ ኢድ ሓያልውን የድሕኖም። ክፍኣትውን ኣፋ ኽትዓፁ እያ።” ስለዙይ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ተግሳፅ ኣይትንዓቕ። የቝስል፤ ኣእዳዉ ኸዓ ይፍውሱ። ኣብ መበል ሻውዓይ ግና ኽፉእ ኣይነኽአካን እዩ። ብጊዜ ውግእ ካብ ሰይፊ፥ ከድሕነካ እዩ። ጥፍኣት ክመፅእ እንተሎ፥ ኣይትፈርሕን ኢኻ። ካብ ኣራዊት ምድሪ እውን ኣይትፈርሕን። ምስ ኣራዊት በረኻ ብሰላም ክትነብር ኢኻ። ሓደኳ ኣይጐድለካን። ከም ሳዕሪ ምድሪ ኸም ዝኸውን ክትፈልጥ ኢኻ። ዕድመ ፀጊብካ ኽትቅበር ኢኻ።” ንስኻ ግና ዝኾነ ሰሪሕኻ እንተ ዄንካ ንባዕልኻ ፍለጦ።” ሽዑ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ኵሉ መከራይውን ኣብ ሚዛን እንተ ዝምዘን! ስለዙይ ቃለይ ምግታእ እስእን ኣለኹ። ናይ እግዚኣብሄር ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተሰሊፉ ኣሎ።” ብዕራይከ፥ ሓሰር እንተለዎዶ እምባሕ ይብል እዩ? ማይ እንቍላሊሕኸ ጣዕሚዶ ኣለዎ እዩ? ከም ዘፀይፍ ብልዒ ኾነኒ።” እግዚኣብሄር ዝምነዮ እንተ ዝህበኒ! ኢዱ ዘርጊሑ ኸዓ እንተ ዘጥፍአኒ! ስቓይ እኳ እንተ በርትዐኒ ታሕጓስ ምገበርኩ ነይረ። ንኽዕገስከ መወዳእታይ እንታይ እዩ? ስጋይከ ከም ነሃስ ድዩ? ኵሉ ጥበብውን ካባይ ከም ዝተባረረዶ ኣይኮነን? ንፍርሓት እቲ ዅሉ ዝኽእል ይሓድጎ። ከም ዝሓልፍ ውሕጅን ጠለምቲ ኾኑኒ። ብዝሓቅቕ ኣስሓይታውን ይመልኡ። ሃሩር ምስ በርትዐ፥ ካብ ስፍራኦም ይጠፍኡ። ናብ ምድረ በዳ ወፂኦም ከዓ ይጠፍኡ። ናይ ሳባ ሓለፍቲ መንገዲውን ንኡኡ ተስፋ ይገብሩ። ናብኡ ምስ በፅሑ ሕፍረት ሓዞም። መከራይ ርኢኹም ፈራሕኹም። ወይ ካብ ሃብትኹም ውህብቶ’ ኣቕርቡለይ? ወይ ካብ ኢድ መጨነቒ ኣድሕኑኒዶ’ ኢለኩም እየ?” እቲ ዝተጋጌኽዎ ድማ ኣፍልጡኒ። ምጕትኩም ግና እንታይ ይግስፅ? ንቓለይ ክትግስፁዶ ትሓስቡ ኣለኹም? ንፈተውትኹምውን ጕድጓድ ትዅዕቱ ኣለኹም። ኣብ ቅድሜኹም ሓሰት ኣይዛረብን እየ። ፅድቀይ በዝ ነገር እዙይ እዩሞ ሓደ ጊዜ ተመለሱ። ኣፈይከ ተንዀል ክፈሊዶ ኣይኽእልን እዩ?” መዓልትታቱኸ ኸምቲ በዓል ውዕለትዶ ኣይኮነን? ከምቲ ደመወዙ ዝፅበ በዓል ውዕለት፥ ናይ ፃዕሪ ለይትታት ድማ ተወሰናለይ። ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ እገላበጥ። ቈርበተይውን እናተጨደደ ይመግል። ብዘይ ተስፋውን ይውድኣ።” ኣዒንተይውን መሊሰን ፅቡቕ ነገር ኣይሪኣን እየን። ኣዒንትኻ ኣባይ ይኾና፤ ኣነ ግና ኣይርከብን። ከምኡ ናብ መቓብር ዝወርድ ሰብ መሊሱ ኣይወፅእን እዩ። ቦታኡውን መሊሱ ኣየለልዮን። ንነፍሰይ ስለ ዝመረራውን ክቝዝም እየ። ኣነዶ ባሕሪ ወይ ዓሳ ኣንበሪ እየ? ምድቃሰይውን ሓዘነይ ከቕልለለይ እዩ’ እንተ በልኩ፥ ብራእይውን ተደንግፀኒ፤ ነፍሰይ፥ ተሓኒቕካ ሙማት መረፀት። ዘመን ህይወተይ ከም ትንፋስ እዩ እሞ፥ ሕደገኒ። ሰብ እንታይ እዩ? ሰብ እንታይ እዩ? ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥ ዘይትሓድገኒኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ? ስለ ምንታይ ኣነ ሸኽሚ ኾንኩኻ? ንግሆ ኽትደልየኒ ኢኻ፤ ግና ኣይትረኽበንን።” ድሕሪዙይ በልዳዶስ በዓል ሹሓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ቃል ኣፍካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ንፋስ ኣውሎ ዝኸውን? ንፅድቂዶ ይጠውዮ እዩ? ንሱውን ኣብ ኢድ በደሎም እንተ ደርበዮም፥ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምሕረትውን እንተትልምኖ፥ ንናይ ፅድቅኻ መንበሪውን ከሳኽዐልካ እዩ። ፍፃሜኻ እምብዛ ዝበዝሐ ክኸውን እዩ።” ነቲ ኣቦታቶም ዝፈለጥዎ ድማ ኣስተብህሎ። መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት እየን። ካብ ልቦናኦም ቃል ኣውፂኦምዶ ኣይኮኑን?” ማይ ኣብ ዘይብሉኸ ሰቲዶ ይልምልም? ቅድሚ ዅሉ ሳዕሪ ይነቅፅ። ተስፋ እቲ ዝንጉዕውን ይጠፍእ። እምነቱውን ከም ሰፈር ሳሬት ይኸውን። ይሕዞውን፥ ግና ኣይፀንዐሉን። ጨናፍሩ ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ይወፅእ። ኣብ መንጎ ኣእማን ከዓ ስፍራ የዳሉ። ኣይረአኹኻን ኢሉ ይኽሕዶ። ካልኦትውን ካብቲ መሬት ይበቝሉ።” ንኢድ ሓጢኣተኛታትውን ኣየበርትዕን እዩ። ንኸናፍርካውን ብዕልልታ ኽመልኦ እዩ። ድንኳን እቶም ክፉኣት ከዓ ኽጠፍእ እዩ።” ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ግና ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ከመይ ኢሉ ፃድቕ ክኸውን ይኽእል? ካብ ሽሕ ነገር ንሓደ እኳ ኽመልስ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ? ብብርቱዕ ቝጥዓኡውን ይገለባብጦም። ኣዕምዳውን የንቀጥቅጡ። ንኸዋኽብቲውን ይሓትሞም። ኣብ ልዕሊ ማዕበል ባሕሪ ኸዓ ይኸይድ። ብወገን ደቡብ ንዘለዉ መሕደሪታት ከዋኽብቲ ዝፈጠረ ንሱ እዩ። ቍፅሪ ዘይብሉ ተኣምራትውን ይገብር። መሊሱ እንትሓልፈኒውን ኣየስተብህሎን? “ንእኡኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ኽብሎ ዝኽእል መን እዩ? ኣብ ትሕቲኡ እቶም ንረዓብ ቃለይውን ኣብ ቅድሚኡ ኽመርፅ ዝኽእል ኣነ መን እየ? ንፈራድየይ ምሕረት ደኣ ምለመንክዎ እምበር፥ ኣይምመለስኩሉን። ንድምፀይ ፅን ከም ዝበሎ ኣይምኣመንኩን። ብዘይ ምኽንያት ድማ ንቝስለይ የብዝሖ። ክትንፍስ ኣይሓደገንን። ብፍርዲ እንተ ኾይኑ ኸዓ ጊዜ ዝውስን መን እዩ? ፍፁም እንተ ዝኸውንውን ዓማፂ ምገበረኒ ነይሩ። ንህይወተይውን እንዕቓ ኣለኹ። “ንፍፁማንን ንሓጥኣንን ብሓደ የጥፍኦም እብል ኣለኹ።” ንሱ ብፈተና እቶም ንፁሃት የላግፅ። ንሱ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ መን እዩ? ፅቡቕ ነገር እንተይረአያ ድማ ይሃድማ ኣለዋ። ዝበልዖ ኽምንጥል ከም ዝውንጨፍ ንስሪ ይሓልፋ። ክሕጐስ ደኣ” እንተ በልኩ፥ ካብ ኵሉ መከራይ እፈርሕ ኣለኹ። ስለ ምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝደክም? ኣእዳወይውን ኣፀቢቐ እንተ ዘፅሪ እኳ፥ ክዳውንተይ እኳ ይፅየፈኒ። ክማጐቶውን ኣይክእልን እየ። ኣበይሞ ኣብ መንጎና ኸም ተረኽበ። ግርማኡውን ኣየፍርሐኒ፤ ኣነ ግና ብባዕለይ ኸምኡ ኣይኮንኩን። ብምረት ነፍሰይ ድማ ኽዛረብ እየ። ኣይትፍረደኒ፤ ብምንታይ ትዅንነኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ። ብኣኻ ፅቡቕ ድዩ? ወይ ከም ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? ዓመታትካኸ ኸም ዓመታት ወዲ ሰብ ድየን? ብበደለይ ከዓ እትከታተለኒ ዘለኻ? ካብ ኢድካ ዘናግፍ ከም ዘየለውን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።” ሕዚ ግና ኽተጥፍአኒ ትደሊ ኣለኻ። ናብ ሓመድ ክትመልሰኒ ትደሊ ኣለኻ? ከም ርግኦስ ኣየርጋእኻንን ዲኻ? ብዓፅምን ጅማትን ኣገጣጠምካኒ። ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሓለዎ። ሓሳብካ እዙይ ከም ዝነበረ ፈሊጠ ኣለኹ። ካብ ሓጢኣተይውን ንፁህ ኣይትገብረንን። መከራይውን እርኢ ኣለኹ። መሊስካ ኣብ ልዕለይ ነቲ ዘደንቕ ሓይልኻ መርአኻ። ጭፍራ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ምወሰኽካለይ።” ኣበይሞ ዓይኒ እንተይረአየኒ ሞይተ እንተ ዝኸውን! ካብ ማህፀንውን ናብ መቓብር ምተወሰድኩ ነይረ። መዓልቲታት ህይወተይ ውሑዳትዶ ኣይኮናን? ናብ ምድሪ ፀልማትን ፅላል ሞትን፥ ቍሩብ ምእንቲ ደስ ክብለኒ ሕደገኒ።” ድሕሪዙይ ሶፋር በዓል ናዕማ፥ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ከም ፃድቕ ይቝፀር እዩ? እንተ ኣላጊፅካስ ዘሕፍረካዶ የለን? ትብል ኣለኻ። ኣባኻውን ከንፈሩ እንተ ዝኸፍት! ካብ ዝግባእ ኣንኢሱ ኸም ዘኸፍለካ ምፈለጥካ።” ክትምርምሮዶ ትኽእል ኢኻ? ካብ ሲኦልውን ይዓምቝ፤ እንታይ ክትፈልጥ ትኽእል? ካብ ባሕሪ እውን ይሰፍሕ። መን ክኽልክሎ ይኽእል? ዓመፅ እናረአየውን ስቕ ኢሉ ኣይምልከትን። ዒሉ ኣድጊ በረኻ፥ ሰብ ኮይኑ ኽውለድ ይቐልል። ኣእዳውካውን ናብኡ ዘርግሕ፤ ኣብ ቤትካውን ግፍዒ ኣይተንብር። ፅኑዕ ትኸውን እምበር ኣይትፈርሕን ኢኻ። ከም ዝሓለፈ ውሕጅ ክትሓስቦ ኢኻ። ፀልማት እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ጊሓት ይኸውን። ኣብ ዙርያኻ ተማዕዱ፥ ብህድኣትውን ክትዓርፍ ኢኻ። ብዙሓትውን ልመና ኸቕርቡልካ እዮም። ተስፋኦም ድማ ንነፍሶም ምሕላፍ እዩ።” ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ! ከምዙይ ዝበለ ነገር ዘይፈልጥከ መን እዩ? ፃድቕን ፍፁምን ዝኾነ ሰብ መላገፂ ኾነ። ግና እግሩ ኸንደልህፆ ተዳልዩ ኣሎ። እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ኢዶም ኣምፂኡሎም እዩ።” ነዕዋፍ ሰማይውን ጠይቕወን፥ ክነግራኹም እየን። ነቶም ኣብ ባሕሪ ዘለዉ ዓሳታትውን ጠይቕዎም ክነግሩኹም እዮም። ካብዚኣቶም ዘይፈልጥ መን እዩ? እስትንፋስ ኵሉ ወዲ ሰብን ኣብ ኢዱ እያ። እዝኒ ድማ ንቓል ዝፈልዮዶ ኣይኮነን? ምስትውዓልውን ብነዊሕ ዕድመ ይርከብ።” ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን። ንሱ ንሰብ ይዓፅዎ፤ ዝኸፍቶውን የለን። ንምድሪ የዕለቕልቑዋ። እቲ ዝስሕትን ዘስሕትን ናቱ እዮም። ንፈረድቲ እውን ሰነፋት ይገብሮም። ንሕቘኦም ድማ ብመዕጠቒ ይኣስር። ንሓያላት ድማ ይግልብጦም። ንሽማግለታት ምስትውዓል የሕድጎም። ንሓያላትውን ዕጣቖም የፍትሖም። ንፅላል ሞትውን ናብ ብርሃን የውፅኦ። ንኣህዛብ የብዝሖም፥ መሊሱ ድማ የፍልሶም። መንገዲ ብዘይብሉ ምድረ በዳ ኾለል የብሎም። ንሱውን ከም ሰካራማት ሰንከልከል ከም ዝብሉ ይገብሮም።” እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተውዓለቶ። ካባኻትኩም ድማ ኣይንእስን እየ። ምስ እግዚኣብሄር ክዋቐስ እደሊ ኣለኹ። ኵልኻትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም። እዙይ ንኣኻትኩም ከም ጥበብ ምተቘፅረልኩም ነይሩ። ንምጕት ከናፍረይውን ኣድምፁ። ምእንታኡ ኢልኩምከ ብምትላል ክትዛረቡ ዲኹም? ንእግዚኣብሄር ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ ኣለኹም? ንእኡ እተላግፁሉዶ ይመስለኩም? ንሱ ብግልፂ ኽዘልፈኩም እዩ። ግርማኡኸ ኣየውድቐኩምን ድዩ? ዕርድታትኩምውን ዕርድታት ጭቃ እዮም።” ዝወረደ ይውረደኒ። ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ አንብር ኣለኹ። ግና መንገደይ ኣብ ቅድሚኡ ኸፅንዕ እየ። ንሱ መድሓኒት ክኾነኒ እዩ። ንምስክርነተይውን በእዛንኩም ኣዳምፅዎ። ፃድቕ ኮይነ ኸም ዝርከብውን እፈልጥ እየ። ሕዚ ኣነ ስቕ እንተ በልኩ ኽመውት እየ።” ሽዑ ኣነ ኻብ ቅድሚ ገፅካ ኣይስወርን እየ፤ ግርማኻውን ኣየደንግፀኒ። ወይ ኣነ ኽዛረብ፥ ንስኻ መልሰለይ። እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ።” ንምንታይከ ኸም ፀላኢኻ እትሪአኒ? ወይ ከዓ ንዝነቐፀ ሓሰርዶ ተሳጕጎ ኣለኻ?” ሓጢኣት ንእስነተይውን ተውርሰኒ ኣለኻ። ንኣሰር እግረይ መለለዪ ትገብረሉ ኣለኻ። ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ኽዳን ኮንኩ።” መከራውን ዝመልኦ እዩ። ከም ፅላሎት ይሃድም፤ ኣይፀንዕንውን። ክፍረድከ ናብ ቅድሜኻዶ ተቕርበኒ ኣለኻ? ሓደ እኳ ዝኽእል የለን። ክሓልፋ ዘይኽእል ደረትውን ወሰንካሉ። ቁሩብ ካብኡ ዘወር በል።” ውልዶታቱውን ኣይውዳእን። ጕንዱ ድማ ኣብ መሬት እንተ ሞተ፥ ከም ሓድሽ ተኽሊ ኾይኑውን ጨናፍር የውፅእ። ሰብውን ነፍሱ ይህብ ንሱኸ ኣበይ ኣሎ?” ሩባውን ይንእስን ይደርቕን፤ ካብ ድቃሱውን ኣይትስእን።” ብድሕሪኡ እንተትዝክረኒ። ኵሉ ዘመን ሰልፈይ ብትዕግስቲ ምተፀበኹ ነይረ። ነቲ ግብሪ ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ። ንሓጢኣተይውን ትከታተሎ ኣለኻ። ንሓጢኣተይውን ለቢጥካዮ ኣለኻ።” ኰዅሒውን ካብ ቦታኡ ይፈልስ። ከምኡ ኸዓ ንስኻ ንተስፋ ሰብ ከንቱ ትገብሮ። ንትርኢቱ ትልውጦ፤ ንእኡውን ትሰዶ። እንተ ሓሰሩውን፥ ኣየስተውዕሎን እዩ። ነፍሱውን ብዛዕባ ርእሱ ትሓዝን።” ድሕሪዙይ ኤሊፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ብንፋስ ምብራቕዶኸ ኸብዱ ይመልእ እዩ? ይከራኸረሉ እዩ? ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንፀሎት ተቃልሎ ኣለኻ። ነዘራርባ ጐራሓት ድማ ትሓሪ ኣለኻ። ከናፍርካውን ኣብ ልዕሌኻ ይምስክራልካ ኣለዋ። ወይ ከዓ፥ ቅድሚ እምባታት ዲኻ ተጠኒስካ? ወይ ከዓ ንጥበብዶ ናይ በይንኻ ጌርካያ ኢኻ? ኣባና ዘየለኸ ንስኻ እተስተብህሎ እንታይ እዩ? ሰያባትን ሽማግለታትን ኣብ ማእኸልና ኣለዉ። ነቲ ብለውሃት ንኣኻ ዝተነግረ ቓላትዶ ተናእሶ ኣለኻ? ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፉእ ኣጠማምታ ዝጥምታ? ስለ ምንታይ ንመንፈስካ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ተለዓዕሎ ኣለኻ? ካብ ሰበይቲ ዝተወልደኸ ፃድቕ ክኸውን እንታይ እዩ? ስማያትውን ኣብ ቅድሚኡ ንፁሃት ኣይኮኑን፤ ክንደይ ዘፀይፍን ብልሽውን ዘይኸውን! እቲ ዝረአኽዎውን ክገልፀልካ ስምዐኒ። ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሓብኡለይ ክነግረካ ስምዐኒ። ባዕዳንውን ኣብ ማእኸሎም ኣይነበሩን። ጨካን ሰብ ብቝፅሪ ዘመኑ እናተሳቐየ ይነብር። ደሓን ኣለኹ ኽብል እንተሎ መጥፍኢ ይመፆ። ካብ ፀልማት ክመልቝ ተስፋ የብሉን። ንሱ ድማ መዓልቲ ፀልማት ከም ዝቐረበት ይፈልጥ። ንውግእ ከም ዝተሰለፈ ንጉስ ኮይኖም የሸንፍዎ። ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽውን ይተሃላለኾ። ብተሪር ክሳዱን ብረጒድ ዋልታኡን እናነሃረ ይመፆ። ነቲ ስብሒውን ኣብ ሕቘኡ ገበረ። ንምዕናው ኣብ ዝተመደባ ኣባይቲ ተቐሚጡ እዩሞ። ገንዘቡውን ኣብ ምድሪ ኣይስስንን እዩ። ብትንፋስ ኣፉ ይሓልፍ። ንባዕሉ እናስሓተ ብኸንቱ ነገር ኣይተኣመን። ጨናፍሩ መሊሱ ኣይልምልምን። ከምታ ዕምበባኣ ዝረገፈ ኦም ዘይቲ እዩ። ንድንኳናት ተቐበልቲ ጉቦ፥ ሓዊ ይበልዖ። ከብዶም ከዓ ተንኰል የዳሉ። ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ዘይትጠቕሙ መፀናናዕቲ ኢኹም። ወይ ከዓ ንኽትምልስ ዘለዓዓለካ እንታይ እዩ? ርእሰይውን ኣብ ልዕሌኹም ምንቕናቕ ምተኽኣለኒ ነይሩ። ምፅንናዕ ከንፈረይውን መህድአኩም ነይሩ።” ስቕ እንተ በልኩውን፤ ኣይሓድገንን እዩ። ንዅሉ ማሕበረይውን ኣፍሪስዎ። ዕብራነይ ተልዒሉኒ፥ ኣብ ገፀይውን ይምስክረለይ ኣሎ።” ፀላእየይ ዓይኑ ኣፍጠጠለይ። ኵሎም ተኣኪቦም ከዓ እናላገፁ ገፀይ ፀፍዑኒ። ኣብ ኢድ ክፉኣት ሰባትውን ደርበየኒ። ዕላማኡ ገይሩ ኣቖመኒ። ንሓሞተይውን ናብ ምድሪ ኣፍሰሶ። ከም ሓያል እናሰገረ ይጐየኒ።” ቀርነይውን ኣብ ሓመድ ደርበኹ። ኣብ ከበሮ ዓይነይ ፅላል ሞት ኣሎ፤ ፀሎተይ ከዓ ንፁህ እዩ።” ንኣውያተይውን መዕረፊ ኣይኹን። ዝምስክረለይውን ኣብ ኣርያም እዩ። ዓይነይውን ኣብ ቅድሚኡ ንብዓት ተፍስስ። ኣበይሞ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምምጓት ከም ከኣለ!” ኣነ ናብቲ ዘይምለሰሉ መንገዲ ክኸይድ እየ። መቓብርውን ተዳልዩለይ ኣሎ። ኣዒንተይ ድማ ኣብ ምምራሮም ይሓድራ ኣለዋ። እንተ ዘይኮይኑ ምሳይ ኣግንዕ ዝወቅዕ መን እዩ? ስለዙይ ድማ ልዕል ልዕል ኣይተብሎምን። ኣዒንቲ ደቁ ይፅልምታ። ኣብ ገፁ ፂቕ ከም ዝብሉሉ ሰብ ኮንኩ። ኵሎም ኣካላተይ ከም ፅላሎት ኮኑ። እቲ ንፁህውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኽፉእ ሰብ ክናደድ እዩ። ሓይሊ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ። ካባኻትኩም ሓደ ለባም እኳ ኣይረክብን እየ። ሓሳበይን መሳርሒ ልበይን ተቛረፀ። እቲ ብርሃን ናብ ፀልማት ዝቐረበ ይመስሎም። መንፀፈይ ኣብ ፀልማት እንተ ኣንፀፍኩ፥ ንሓሰኻውን ‘እኖይ ወይ ሓፍተይ ኢኺ’ እንተ በልኩ፥ ንተስፋይ ክሪኣ ዝኽእልከ መንዩ? እታ ተስፋኸ ምሳይዶ ናብ ሓመድ ክትወርድ እያ?” ኢሉ መለሰ፦ ኣስተብህል እሞ ኽንዛረብ ሕደገና። ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ረኸስና? ወይ ከዓ ኣኻውሕ ካብ ስፍራኦም ክንቀሉ ድዮም?” ሃልሃልታ ሓዊውን ብልጭ ኣይብልን። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መብራህቱውን ክጠፍእ እዩ። ምኽሩውን ተውድቖ። ብልዕሊ መርበብ ይኸይድ። መፈንጠርውን ይብርትዖ። ኣብ መንገዱውን ንእኡ መፃወድያ ተሓቢኡሉ ኣሎ። ብድሕሪኡ ኾይናውን ተባርሮ። መዓትውን ሰንከልከል ክሳዕ ዝብል ተዳልዩሉ ኣሎ። ናይ ሞት በዅሪ ወዲ እውን ንኣካላቱ ይበልዖ። ናብቲ ንጉስ ራዕዲውን የፃድፍዎ። ኣብ መንበሪኡውን ዲን ይንስነስ። ብላዕሊውን ጨናፍሩ ይረግፍ። ኣብቲ ሃገርውን ስሙ ኣይዝከርን። ካብ ዓለምውን የሳጕጉዎ። ኣብ ውሽጢ መንበሪኡውን ዝነብር ሰብ ኣይተርፎን። ብዛዕባ ዘመኑ ይድነቑ። ስፍራ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡውን እዙይ እዩ።” ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ክሳዕ መኣዝ ኢኹምከ ብቓል እተድቅቑኒ? እትገፍዑንስ እምበርዶ ኣይትሓፍሩን ኢኹም? እቲ ጌጋይ ምሳይ ይነብር። ስለ ውርደተይ ኣብ ልዕለይ እንተ ተኸራኸርኩም፥ ብመርበቡውን ከም ዝኸበበኒ ፍለጡ። ዝፈርደለይ የለን። መተሓላለፍየይውን ብፀልማት ሸፈኖ። ንዘውደይውን ካብ ርእሰይ ወሰዶ። ንተስፋይ ከም ኦም ነቐሎ። ከም ፀላኢኡውን ቘፀረኒ። ኣብ ዙርያ ድንኳነይ ሰፈሩ።” እቶም ዝፈልጡኒ ድማ ፈፂሞም ተፈለዩኒ። ፈተውተይውን ረስዑኒ። ኣብ ኣዒንቶምውን ከም ጋሻ ኮንኩ። ብኣፈይ እንተ ኣቃባጠርኩሉውን ኣይምልሰለይን። ኣሕዋተይ፥ ደቂ እነይ ንልመናይ ፀልእዎ። ደው እንተ በልኩ ኸዓ ብኣይ ይዘራረቡ። እቶም ኣነ ዝፈትዎም ኣብ ልዕለይ ተገልበጡ። ግርፃነይ ጥራሕ ተሪፉኒ።” ደንግፁለይ! ራህርሁለይ! ስለ ምንታይከ ኻብ ስጋይ ዘይትፀግቡ?” ኣበይሞ ኣብ መፅሓፍ እንተ ዝሕተም፥ ኣብ ኰዅሒ ንሓዋሩ እንተ ዝቕረፅ፥ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽቐውም እዩ። ሽዑ ካብ ስጋይ ተፈልየ ንእግዚኣብሄር ክሪኦ እየ። ልበይ ብሃንቀውታ ይጠልመኒ ኣሎ።” ከመይ ጌርና ኽነሳጕጎ እንተ በልኩም፥ ንሰይፊ ፍርሕዎ።” ድሕሪዙይ ሶፋር በዓል ናዕማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ ኣሎ። መንፈስ ምስትውዓለይውን ይምልሰለይ ኣሎ።” “ካብ ጥንቲ፥ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነብር ጀሚሩ፥ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ርእሱውን ክሳዕ ደመና እንተ በፅሐ፥ እቶም ዝረአይዎ ‘ኣበይ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም። ከም ራእይ ለይቲውን ይጠፍእ። ነቲ ዝነበረሉ ቦታውን መሊሱ ኣይሪኦን እዩ። ኢዱውን ንሃብቱ መሊሱ ይህብ። ምስኡ ኣብ ሓመድ ይድቅስ።” ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ኸዓ ይሓብኦ፤ ኣብ ትንሓጉ ኸዓ ይዓቝሮ፤ ኣብ ውሽጡ ድማ ኸም ሕንዚ ኣፍዑት ይኾኖ። እግዚኣብሄር ካብ ከብዱ ኸውፅኦ እዩ። መልሓስ ተመን ከዓ ይቐትሎ። ነቲ መዓርን ፀባን ዘውሕዝ ሩባታት ኣይሪኦን። በቲ ነጊዱ ዘትረፎ ሃብቱ ድማ ደስ ኣይብሎን እዩ። ዘይሰርሖ ገዛውቲውን ስለ ዝወሰደን እዩ። እቲ ዝፈተዎ ነገር ኣየድሓኖን። ስለዙይ ሃብቱ ኣይቐውምን። ኢድ ኵሎም ፅጉማት ከዓ ትረኽቦ። እንትበልዕውን የዝንመሉ። ቀስቲ ነሃስ ኽወግኦ እዩ። ፍርሓትውን ይወድቆ። ነቲ ኣብ ድንኳኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ። ምድሪ ኸዓ ኣንፃሩ ትለዓሎ። ከም ወሓዚ ማይ ክሓልፍ እዩ። እግዚኣብሄር ዝመደበሉ ርስቲውን እዙይ እዩ።” ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ እዙይውን ምፅንናዕኹም ይኹን። ምስተናገርኩ ኣባጭዉ። ትዕግስቲ ምስኣንከ ኣይግብአንንዶ? ኣእዳውኩምውን ኣብ ኣፍኩም ኣንብሩ። ንስጋይውን ፃዕሪ ይሕዞ ኣሎ። ብሃብቲኸ ስለ ምንታይ ዝብርትዑ? ደቆምውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዮም። በትሪ እግዚኣብሄርውን የብሎምን። ላሕሞምውን እንተየውሃየት ትወልድ። ቈልዑኦም ይሰራሰሩ። ብፋፃ ሻምብቆ ይሕጐሱ። ብድንገትውን ናብ ሲኦል ይወርዱ። መንገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና፤ ወይ ናብኡ እንተ ፀለናኸ እንታይ ክንረክብ ኢና” ይብሉ። ግና ምኽሪ ሓጢኣተኛታት ካባይ ዝረሓቐት እያ። እግዚኣብሄር ድማ ብቝጥዓኡ መከራ ዝፈደዮም፥ ኣውሎ ንፋስውን ከም ዝወስዶ ብቝብቝ ዝኾኑ ኽንደይ ጊዜ እዮም? ንባዕላቶም ይፍደዮም። ቍጥዓ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ይስተዩ። ሰባት ብዛዕባ ደቆም ዝግደሱዶ ይመስለኩም? ብሓቂ ሰብዶ ፍልጠት ይምህሮ እዩ? ህዱእን ሕጉስን እንተሎ ይመውት፤ ኣንጕዕ ኣዕፅምቱውን ልምሉም እንተሎ ይመውት። ገና መሪርዎ እንተሎ ይመውት። ሓሰኻ ድማ ይኸድኖም። ክፉእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣለኹ። እቲ ሓጢኣተኛታት ዝነበርዎ ድንኳንከ ኣበይ ኣሎ?” ትብሉ ኣለኹም። ነቲ ንሳቶም ዝሃብዎ ምልክታቶምከ ኣይትፈልጡን ዲኹም? ንመዓልቲ ቝጥዓውን ከም ዝፀንሕዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነቲ ዝሰርሖኸ ዝምልሰሉ መንዩ? ሰባት ድማ ኣብ መቓብሩ ይሕልዉ። ድሕሪኡ ኸዓ ዅሉ ሰብ ክስዕብ እዩ። ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ እተፀናንዑኒ? ድሕሪዙይ እቲ ቴማናዊ ኤሊፋዝ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ እቲ ጥበበኛ ሰብ ንባዕሉ እዩ ዝጠቅም። ንመንገድኻ ፍፁም ብምግባርካኸ ረብሓዶ ኣለዎ እዩ? ናብ ፍርድኸ ምሳኻዶ ይኣቱ እዩ? ንሓጢኣትካውን መወዳእታ የብሉን። ክዳን ዕሩቓትውን ቀንጠጥካ። ንጥሙይውን እንጀራ ኸላእኻ። እቲ ኽቡር ሰብ ከዓ ዝነብረላ ኾነት። ቀላፅም ደኽታማት ተሰይሩ እዩ። ድንገተኛ ፍርሓትውን ኣናወፀካ። ብዝሒ ማያትውን ኣስጠመካ።” ከዋኽብቲውን ከመይ ልዕል ልዕል ከም ዝበሉ ተመልከት። ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮይኑዶ ኽፈርድ ይኽእል እዩ?’ ኣብ ዙርያ ሰማይ ይመላለስ ኢልካ ኢኻ። ናይ ቀደም መንገዲ ኽትከይድዶ ትደሊ ኣለኻ? መሰረቶምውን ከም ፈሳሲ ማይ፥ ፈሰሰ። ነቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ‘እንታይ ክገብረልና ይኽእል?’ በልዎ። ምኽሪ ሓጥኣን ካባይ ዝረሓቐት እያ።” ንፁሃንውን ብንዕቐት ይስሕቕዎም። ንዝተረፈውን ሓዊ በልዖ። ከምዙይ እንተ ጌርካ ፅቡቕ ክትረክብ ኢኻ። ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ። ንሓጢኣትውን ካብ ድንኳንካ እንተ ኣርሒቕካ፤ ንወርቂ ኦፊርውን ናብ ማእኸል ኣእማን ሩባ እንተ ደርበኻ፥ ወርቅን ዘንፀባርቕ ብሩርን ክኾነልካ እዩ። ገፅካውን ናብ እግዚኣብሄር ክተልዕል ኢኻ። መብፅዓኻውን ክትህብ ኢኻ። ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኽበርሀልካ እዩ። ንሱ ንትሑት ሰብ የድሕኖ እዩ እሞ። ብንፅህና ኢድካውን ክትድሕን ኢኻ።” ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ድምፂ ብኽያተይ ከቢዳ ኣላ። ኣበይሞ ናብቲ ዝተቐመጠሉ ዙፋን እንተ ዝበፅሕ! ንኣፈይውን ብመርትዖ ምመላእኽዎ ነይረ። እንታይ ከም ዝብለኒ ድማ መስተውዓልኩ ነይረ። እኳ ደኣ ፅን ምበለኒ። ኣነውን ካብ ፈራድየይ ንዘለኣለም ክድሕን ነይረ።” ንድሕሪትውን ከድኩ፤ ግና ኣየስተውዕሎን። ብየማነይ ይስወር፤ ኣይሪኦንውን። ምስ ፈተነኒውን ከም ወርቂ ፅሩይ ኮይነ ኽወፅእ እየ። ካብኡውን ኣየግለስኩን። ንቓል ኣፉ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።” ነፍሱ ዝፈተወቶውን እዩ ዝገብር። ከምዙይ ዝበለ ብዙሕ ነገር ምስኡ ኣሎ። ነዙይ እንትሓስብውን ብእኡ ዝፈርሕ። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣደንጊፁኒ እዩ። ንገፀይ ካብ ምሽፋኑ ዝተልዓለ ኣይደንገፅኩን።” እቶም ንእኡ ዝፈልጡ ስለ ምንታይ ነተን ኣዋርሕ ዘይሪኡወን። ንመጓሰ ዘሚቶምውን ይጓስይወን። ንብዕራይ መበለትውን ትሕጃ ይሕዝዎ። ኵሎም ድኻታት እታ ምድሪ ኸዓ ይሕብኡ። ምድረ በዳውን ንደቆም ዝኸውን ምግቢ ይህቦም። ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እቶም ክፉኣት ሰባትውን ይቕርሙ። ብጊዜ ቝሪ ዝኽደንዎ የብሎምን። መፀግዒ ስኢኖምውን ኰዅሒ ይሓቝፉ። ካብ ምስኪናት ትሕጃ ይወስዱ። ብጥሙያቶምውን እንዳእቲ ይፆሩ። ወይኒ እውን ይፀምቁ፤ ንሳቶም ግና ይፀምኡ። እግዚኣብሄር ግና ስንፍናኦም ኣይምልከትን። ኣብ መንገድታቱውን ኣይፀንዑን። ብለይቲ ኸዓ ኸም ሰራቒ እዩ። ገፁውን ይሽፍን። ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም። ድነ ሞት ይፈልጡ እዮምሞ። ናብ መንገዲ ኣታኽልቲ ወይኖም ኣይምለሱን። ከምኡውን ሲኦል ነቶም ሓጥኣን ተጥፍኦም። ዝዝክሮውን የለን፤ ክፍኣትውን ከም ኦም ይስበር። ንመበለትውን ፅቡቕ ኣይገብርን። ንሱ እንትለዓል ሰብ ብህይወቱ ኣይእመንን። ኣዒንቱ ግና ኣብ ልዕሊ መንገዶም እዩ። ከም ርእሲ ሸዊትውን ይቝረፁ። ንዘረባይውን ከንቱ ኽገብሮ ዝኽእል መን እዩ? ድሕሪዙይ በልዳዶስ በዓል ሹሓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ብልዕልናኡውን ገባሪ ሰላም እዩ። ብርሃኑኸ ኣብ ልዕሊ መን እዩ ዘይወፅእ? ከመይ ንፁህ ክኸውን ይኽእል? እዝ በስባስን ሓሳኽን ዝኾነ መዋቲ ሰብ ግዳ ኸመይ ይንእስ!” ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ነቲ ፅንዓት ዝሰኣነ ቕልፅምውን ከመይ ኣድሓንካዮ! ክንደይ ብዙሕ ፍልጠትከ ገለፅካሉ! ናይ መን መንፈስከ ኻባኻ ወፀ? ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብ ውሽጢ ማያት ዝነብሩ ኾይኖም የንቀጥቅጡ። ንጥፍኣትውን መጋረዲ የብሉን። ንምድሪ እውን ኣብ ትሕቲኣ ሓደኳ ዘይብላ የንጠልጥላ። እቲ ደመናውን ብታሕቲ ኣይተቐደደን። ደመናውን ይዝርግሐሉ። ኣብ ቅድሚ ማያት ወሰን ገበረ። ካብ ተግሳፁ ዝተልዓለውን ይድንግፁ። ብምስትውዓልውን ንረዓብ ይወቕዖ። ኢዱውን ነቲ በራሪ ገበል ወግኦ። ነቲ ሓይሊ ነጐድጓዱኸ መን ከስተውዕሎ ይኽእል?” ኢዮብ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ህያው እዩ። መንፈስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ውሽጢ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፥ ልሳነይውን ጥበራ ኣይተውፅእን። ክሳዕ ዝመውት ድማ ፍፁምነተይ ካባይ ኣየርሕቕን። ኣብተን መዓልትታተይ ስለ ሓንቲኳ ልበይ ኣይነቕፈንን። ዝቃወመኒውን ኸም በዳሊ ይኹን። ተስፋ ግብዝ እንታይ እዩ? እግዚኣብሄር ኣውያቱ ይሰምዕ ድዩ? ኵልሻዕኸ ንእግዚኣብሄር ይፅውዕ ድዩ?” ሓሳባት ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ከዓ ኣነ ኣይሓብአኩምን እየ። ስለ ምንታይ ደኣ ኸንቱ ኾንኩም?” እቲ ግፍዐኛ ኻብቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ዝቕበሎ ርስቲ እዙይ እዩ፦ ዘርኡውን እንጀራ ኣይፀግቡን። መበለታቶምውን ኣይበኽያሎምን። ንኽዳውንቱውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፥ ነቲ ብሩርውን እቶም ንፁሃት ይማቐልዎ። ከም ጐጆ ሓላዋይ ድማ እያ። ዓይኑ ቛሕ የብል፤ ንሱውን የለን። ንፋስ ኣውሎ ድማ ብለይቲ ይምንጥሎ። ካብ ቦታኡውን ይነቕሎ፤ ንሱ ኻብ ኢዱ ቐልጢፉ ኸምልጥ ይደሊ። እናፋፀዩ ኸዓ ኻብ ቦታኡ የውፅእዎ።” ወርቂውን ዝፈሰሉ ቦታ ኣሎ። ነሃስ ድማ ኻብ እምኒ መኺኹ እዩ ዝወፅእ። ክሳዕ መወዳእታ ይመራመሮ። ካብ ሰብውን ርሒቖም እናተንጠልጠሉ ነነው ይብሉ። መዓሙቓ ኸዓ ኸም ብሓዊ ይገላበጥ። ድኹም ወርቂ ኸዓ ኣብኡ ይርከብ። ዓይኒ ንስሪውን ኣይረአየታን። ሽደን ኣንበሳውን ኣይሓለፋን።” ንእምባታት ከዓ ኻብ መሰረቶም ነቒሉ ይግልብጦም። ዓይኑውን ንዅሉ ዕንቍ ትርኢ። ነቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ድማ ናብ ብርሃን የውፅእዎ።” ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ቦታኣ? ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን እያ። ባሕሪ እውን ‘ኣብ ውሽጠይ የላን’ ይብል። ብሩርውን ስለ ዋጋኣ ኣይምዘንን እዩ። ብኽቡር ዕንቍን ብሰንፔርን ኣይትግመትን እያ። በቕሓ ፅሩይ ወርቂውን ኣይትልወጥን። ዋጋ ጥበብ ካብ ቀይሕ ዕንቊ ይበልፅ። ብፅሩይ ወርቂውን ኣይትግመትን።” ቦታ ምስትውዓልከ ኣበይ ኣሎ? ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ክውልቲ እያ። ‘በእዛንና ጥራሕ ወሬኣ ሰሚዕና’ ይብሉ።” ንቦታኣ ዝፈልጥ ንሱ እዩ። ንባሕሪ ኸዓ ብመስፈሪ ምስ ሰፈሮ፥ ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ምስ መደበሉ፥ ኣዳለዋ፥ መሊሱውን መርመራ።” ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ ከዓ ምስትውዓል እዩ።” ኢዮብ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ ቀዳሞት ኣዋርሕ እንተ ዝኸውን መን መሃበኒ! ኣነውን ነቲ ፀልማት ሓሊፈ ብብርሃኑ ክኸይድ እንተለኹ፥ ኣምላኽ ንቤተይ ክሕልዋ እንተሎ፥ ደቀይውን ከቢቦም ኣብ ዙርያይ እንተለዉ፥ እምኒ፥ ዘይቲ የውሕዘለይ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥ ኣብ ኣደባባይ መንበረይ ከንብር እንተለኹ፥ ሽማግለታት ድማ ተሲኦም ይቖሙ ነበሩ። ኣእዳዎምውን ኣብ ኣፎም ገበሩ። መልሓሶም ከዓ ኣብ ታሕናጎም ይጣበቕ ነበረ።” ዝረአየትኒ ዓይኒውን መስከረትለይ። ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ደኽታማትውን ኣናግፎም ነበርኩ። ንልቢ መበለታት ከዓ ዕልል ከም ዝብል ገበርኩ። ፍርደይውን ከም ባርኖስን ቆብዕን ነበረ። ንሓንካስውን እግሪ እኾኖ ነበርኩ። ሙግት እቲ ኣነ ዘይፈልጦ ሰብውን መርመርኩ። ካብ ውሽጢ ኣስናኖም መንጠልክዎ።” ኣብ ማእኸል ደቀይውን ክመውት እየ’ በልኩ። ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ክሓድር እዩ።” ቀስተይ ከዓ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ’ በልኩ።” ምኽረይ ንምድማፅውን ስቕ በሉ። ዘረባይ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጠብጥብ ነበረ። ዝናም ፅብሓት ከም ዝደለዩ ኣፎም ከፈቱ። ንብርሃን ገፀይውን ኣየውረድዎን። ንሓዘንተኛታት ከም ዘፀናንዕ ነበርኩ።” ንምንባር ዝነዓቕኩዎም፥ የባጭዉለይ ኣለዉ። ብርትዐ ኣእዳዎም ንኣይ እንታይ ክጠቕመኒ እዩ? ናይ ምፍራስን ምብትታንን ፀልማት ናብ ዘለዎ ምድረ በዳ ይሃድሙ። ሱር ታህሶስውን ምግቦም ይገብሩ። ኣብ ልዕሊ ሰራቒ ዋዕ ዋዕ ከም ዝበሃል የድህዩ። ኣብ ማእኸል ኣኻውሕን ይነብሩ። ኣብ ትሕቲ እሾዅ ይእከቡ። ተገሪፎም ካብ ሃገር ዝተሰጉ እዮም።” መመሰሊኦምን ኮንኩ። ምራቖምውን ኣብ ቅድመይ እንትፍ ምባል ኣይሓፍሩን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድመይ ልጓሞም ፈትሑ። መንገዲ ጥፍኣቶምውን ኣባይ የልዕሉ ኣለዉ። ረዳኢ ዘይብሎም ሰባት ንመከራይ የብዝሕዎ። ብፍሩስ መካበቢያ ተንከባሊሎም ይኣትዉ። ድሕንነተይውን ከም ደመና ሓለፈ።” ዘመን መከራ ሓዘትኒ። ዝቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዓርፍን እዩ። ከም ክሳድ ቀምሽውን ሓነቐኒ። ከም ሓመድን ሓሙዅሽትን መሰልኩ።” ተሳእኹ፥ ኣይተመልከትካንን። ብብርቱዕ ኢድካ ኣጨነቕካኒ። ብንፋስ ኣውሎ ኣምከኽካኒ። ናብ ሞት ኣሕሊፍካ ኸም እትህበኒ እፈልጥ ኣለኹ። ወይ ጥፍኣት ዝመፆዶ ኣየእውን እዩ? ንድኻውን ነፍሰይ ትሓዝነሉዶ ኣይነበረትን? ግና ፀልማት መፀ። ዘመን መከራ መፀትኒ። ኣብ ማእኸል ጉባኤውን ደው ኢለ ኣእዌኹ። ንሰገናትውን መሓዛአን ኮንኩ። ኣዕፅምተይ ድማ ኻብ ረስኒ ዝተልዓለ ተቓፀለ። እምብልታይውን ንበኸይቲ ቓል ኮነ።” ደጊም ናብ ቆንጆ ኸመይ ኢለ ኽርኢ? ካብ ኣርያም እንታይ እዩ? ዕንወትውን ንገበርቲ ኽፉእዶ ኣይኮነን? ንዅለን ስጕምታተይከ ኣይቘፅረንን ድዩ?” እግረይውን ንምትላል ጐይዩ እንተ ኾይኑ፥ ንፁህ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጥ እዩ። ኣእዳወይውን ብሓጢኣት ረሲሐን እንተ ኾይነን፥ ኵሉ ዝበቍልውን ካብ ሱሩ ይበቘስ።” ኣብ ደገ ቤት ብፃየይ ተፀናትየ እንተ ኾይነ፥ ካልኦት ሰባትውን ምስኣ ይደቅሱ። ፈረድቲ እውን ዝቐፅዑሉ በደል እዩሞ። ንዅሉ በቝለይውን ካብ ሱሩ ዘጥፍእ እዩ።” ምሳይ ምስተማጐቱ ምጕቶም ንዒቐ እንተ ኾይነ፥ ምስ ተቘፃፀረኒኸ፥ እንታይ ክምልሰሉ እየ? እቲ ኣብ ውሽጢ ማህፀን ዝሰርሐናስ ሓደዶ ኣይኮነን።” ንዓይኒ መበለትውን ከርተት ኣቢለ እንተ ኾይነ፥ እቲ ደኽታም ድማ ኻብኡ እንተይበልዐ ተሪፉ እንተ ኾይኑ፥ ንመበለት ድማ ኻብ ማህፀን ጀሚረ መራሕኽዋ። ወይ ንድኻ ብዘይ ክዳን ምዃኑ ምስ ረአኽዎ፥ ንሱ ኸዓ ብምሉእ ልቡ እንተ ዘይመሪቑኒ” ንደኽታም ገፊዐዮ እንተ ኾይነ፥ ኢደይውን ኣብቲ ዅርናዕ ይሰበር። ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።” ንፅሩይ ወርቂውን ‘መተኣማመንየይ ኢኻ’ ኢለዮ እንተ ኾይነ፥ ኢደይ ሃብቲ ኣምፂኣትለይ ኢለ፥ ተመኪሐ እንተ ኾይነ፥ ነቲ ኽቡር ኣካይዳ ወርሒውን ጠሚተ እንተ ኾይነ። ኣፈይውን ንኢደይ ስዒሙ እንተ ኾይኑ፥ እዙይ ከዓ ፈራዶ ዝቐፅዑሉ በደል ምዀነ ነይሩ።” መከራ ምስ ወረዶውን ተሓጕሰ እንተ ኾይነ፥ መልሓሰይ ሓጢኣት ክሰርሕ ኣይፈቐድኩን። ዘይፀገበ መን ይርከብ ኢሎም እንተ ዘይኮይኖም፥ መፃእተኛ ኣብ ደገ ኣይሓድርን ነይሩ።” ሓጥያተይ ከም ሰብ ሰዊረ እንተ ኾይነ፥ ስቕ ኢለ ናብ ደገ ዘይወፃእኹ እንተ ኾይነ፥” እቲ ኸሳስየይ ድማ ኽሱ ፅሒፉ እንተ ዘቕርብ! ኣኽሊል ገይረውን ኣብ ርእሰይ ምደፋእኽዎ። ከም ሓለቓ ኾይነ ኸዓ ምቐረብክዎ ነይረ።” ትልምታታ ድማ ብሕብረት በኽዮም እንተ ኾይኖም፥ ንነፍሲ ዋናታታ ኣሕዚነ እንተ ደኣ ኾይነ፥ ዘረባ ኢዮብ ኣብዙይ ተፈፀመ። ኢዮብ “ፃድቕ ሰብ እየ” ኢሉ ዝኣምን ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሓደጉ። ሽዑ፥ ወዲ ባርክኤል ካብ ዓሌት ቡዝ ካብ ወገን ራም ዝኾነ ኤሊሁ ብቝጥዓ ነደደ፤ ካብ እግዚኣብሄር ንላዕሊ ኢዮብ ንባዕሉ ኣፅዲቑ ነበረሞ፥ ኣበርቲዑ ዀረየሉ። እቶም ሰለስተ ፈተውቱ ግና ምላሽ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ ኣብ ኢዮብውን ስለ ዝፈረዱ፥ ኤሊሁ ዀረየሎም። ንኤሊሁ ብዕድመ ይዓብይዎ ስለ ዝነበሩ ንሳቶም ክዛረቡ እንተለዉ ኤሊሁ እንተይተዛረበ ፀንሐ። ኤሊሁ፥ ሰለስቲኦም ዝምልስዎ ስኢኖም ምስ ረአየ፥ ተቘጥዐ። ሓሳበይውን ኣይገለፅኩልኩምን። ኢለ ሓሰብኩ። ግና መንፈስ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ምስትውዓል ዝህብ። ሽማግለታትውን ኣይኮኑን ንቕኑዕ ዘስተውዕሉ። ስምዑኒ’ እብል ኣለኹ።” ንቑም ነገርኩም ፅን በልኩ። ወይ ንቓሉ መልሲ ዝሃበ የለን። ከይትብሉ ተጠንቀቑ። ከምቲ ዘረባኹም ገይረ ኸዓ ኣይምልሰሉን እየ።” እንታይ ከም ዝዛረቡ ኸዓ ጠፊእዎም ኣሎ። ኣነ ብትዕግስቲ ኽፅበ ድየ? ሓሳበይ ድማ ኽገልፅ እየ። እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ይደፋፍአኒ ኣሎ። ብጕዕሽ ወይኒ ኽቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ። ከናፍረይ ከፊተ፥ ክምልስ ክጅምር እየ። ንሰብውን ኣየቀባጥርን እየ። ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ካብ ህይወተይ ምፈለየኒ ነይሩ።” ንዅሉ ቓለይ ከዓ ፅን ክትብሎ እልምነካ ኣለኹ። መልሓሰይውን ኣብ ትንሓገይ ትዛረብ ኣላ፤ ከናፍረይ ከዓ ነቲ ዝፈልጥዎ ብቕንዕና ይናገሩ ኣለዉ። እስትንፋስ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ህይወት ዝሃበኒ።” ተዳሊኻ ኣብ ቅድመይ ቁም። ኣነውን ካብ መሬት ዝተፈጠርኩ እየ። ኢደይውን ኣይኸብደካን እዩ።” ከምዙይ ድማ በልካ፦ ሓጢኣትውን የብለይን። ከም ፀላኢኡውን ይሪአኒ ኣሎ። ንዅለን መንገድታተይውን ይቋመተን ኣሎ’ ትብል ኣለኻ።” በዙይስ ትኽክል ኣይኮንካን ኢለ እምልሰልካ ኣለኹ። ስለ ምንታይ ኢኻ ምስኡ እትከራኸር? እግዚኣብሄርስ ብሓደ መንገዲ ወይ ብኻልእ ይዛረብ እዩ። ኣምላኽ ብሕልምን ብናይ ለይቲ ራእይን ይዛረቦ። ንሰብ ይግስፆ፤ ንሱ ኸዓ ንእዝኒ ሰብ ይኸፍቶ፤ ብተግሳፁውን የደንግፆ። ካብ ትዕቢትውን ክስውሮ፥ ብሰይፊ እውን ንኸይጠፍእ ንህይወቱ ይሕሉ። ኣብ ኵሉ ዓፅሙ ብቓንዛ ይቕፃዕ። ነፍሱውን ንጥዑም ምግቢ ትፀልእ። ተሸፊኑ ዝነበረ ኣዕፅምቱ ይግለፅ። ህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ።” ንሰብውን እታ ቕንዕቲ መንገዲ እንተ ዘፍልጦ፤ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ’ እንተ ዝብሎ፥ ናብ መዓልቲታት ጕብዝናኡ ይምለስ። ንሰብውን ፅድቁ ይምልሰሉ። ኢሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር።” ክልተ ጊዜ ሰለስተ ጊዜ ምስ ሰብ ይገብሮ። ብብርሃን ህያዋንውን ንኸብርህ እዩ።” ስቕ በል እሞ ኣነ ኽዛረብ እየ። ክትፀድቕ እደሊ እየሞ ተናገር። ኣነ ድማ ጥበብ ክምህረካ እየ።” ኤሊሁ ብምቕፃል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ኣቱም ፈላጣትውን፥ ናባይ ኣቕልቡ። እዝኒ ድማ ንዘረባ ይፈልዮ እዩሞ። ኣብ ማእኸልና ፅቡቕ ነገር ንፍለጥ። ኣነስ ፃድቕ እየ፤ ዝኾነ እንተይበደልኩ፥ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ ተብሂሉ ኣሎ። ንላግፂ ኸም ማይ ዝሰቲ፥ ከም ኢዮብ ዝበለ ሰብ ኣበይ ይርከብ? መሓዛ ገበርቲ ኽፉእን ምስቶም ሓጥኣን ዝሓበረን ሰብ እዩ። በደልውን ክሰርሕስ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይርሓቕ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ። እቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ፍትሒ ኣየቐይንን እዩ። ንዅሉ ዓለምከ ኣብ ልዕሊኡ ዝገበረ መን እዩ? መንፈሱን እስትፋሱን ናብ ባዕሉ እንተ ዝእክብ፥ ሰብ ከዓ ናብ መሬት ምተመለሰ ነይሩ። ናብ ድምፂ ቓለይውን ኣቕልብ። ነቲ ፃድቕን ሓያልን ዝኾነኸ ንስኻዶ በደለኛ ትገብሮ ኢኻ? ነሕሉቕ ከዓ “ክፉኣት ኢኹም” ይብል እዩ? ንሃብታም ካብ ድኻ ኣብሊፁ ኣይሪኦን እዩ። ሓያላትውን፥ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ። ንዅሉ ስጕምቶም ይሪኦ እዩ። ፀልማት ወይ ድነ ሞት የለን። ክመፅእ ቆፀራ ኽሕዘሉ ኣየድልዮን እዩ። ክንድኣቶም ከዓ ኻልኦት የቕውም። ንኽደቁውን ብለይቲ ይገለባብጦም። ሰባት እናረአዩ ኸም ክፉኣት ይወቕዖም። ንዅለን ትእዛዛቱውን ስለ ዝነዓቑ እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ ገዓር ውፁዓት ሰምዐ። ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ? ቅፅዓት ተቐበልኩ፤ በዲለ እንተ ኾይነውን መሊሰ ኣይብድልን ዝብሎ መን እዩ? ስለዙይ እትፈልጦ ተናገር። ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ” ኽብሉኒ እዮም። ኢዮብ ኣበይሞ ኽሳዕ መወዳእታ እንተ ዝፍተን! ኤሊሁ መሊሱ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር “ፃድቕ እየዶ” ትብል ኣለኻ? ሓጢኣት እንተ ዘይሰሪሐ እንታይ እረብሕ?” ኢልካ ጠይቕካ ኢኻሞ። ኣነ ንኣኻን ምሳኻ ንዘለዉ ብፆትካን ክምልስ እየ። ነቲ ኻባኻ ልዕል ዝበለ ደመናውን ተመልከቶ። በደልካ እንተ በዝሐኸ እንታይ ትገብሮ? ካብ ኢድካ ዝቕበሎኸ እንታይ እዩ? ፅድቅኻውን ንወዲ ሰብ እዩ ዝጠቕም። ካብ ቅልፅም ሓያላት ዝተልዓለውን ዘናግፍ ንምርካብ ይፅውዑ። ፈጣሪየይ እግዚኣብሄር ኣበይ እዩ ዝብል የለን። ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣይምልከቶን። ንስኻውን ተፀበዮ። ንሓጢኣትውን ሸለል ዝብሎዶ፥ ይመስለካ ኣሎ? ብዘይ ፍልጠት ከዓ ዘረባ የብዝሕ። ኤሊሁ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦ ቁሩብ ተፀበየኒ፤ ኣነውን ከፍልጠካ እየ። ፈጣሪየይውን ፃድቕ እዩ እብል ኣለኹ። ብፍልጠትውን ፍፁም ዝኾነ ምሳኻ ኣሎ። ንሱ ብብርቱዕ ምስትውዓሉ ሓያል እዩ። ንዝተገፍዑ ግና ፍትሒ ይህብ። ንሳቶምውን ልዕል ልዕል ይብሉ። ብገመድ ሽግርውን እንተ ተትሓዙ፥ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎን የፍልጦም። ካብ ሓጢኣቶም ክምለሱውን ይእዝዞም። ዓመታቶም ድማ ብደስታ ይፍፅሙ። ብዘይ ፍልጠትውን ክሞቱ እዮም። እንተ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን። ህይወቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርኹሳት ትጠፍእ። በቲ ጭንቀቶምውን ንእዝኖም ይኸፍቶ። ስቡሕ ማእዲውን ከቕርበልካ እዩ። ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ። ብዝሒ ጉቦ ኸዓ ኣየጋጊኻ። ካብ ጭንቂ ኸውፅአካዶ ይኽእል እዩ? ነታ ኣህዛብ ካብ ቦታኦም ዝውሰዱላ ለይቲ ኣይትመነያ። ናብ ሓጢኣት ከይትምለስ ተጠንቀቕ። ከምኡ ገይሩ ዝምህርከ መን ኣሎ? “ሓጢኣት ጌርካ” ዝብሎኸ መን እዩ? ንኽተኽብርውን ሕሰብ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣማዕድዩ ይሪኦ። ቍፅሪ ዘመኑውን ኣይምርመርን። ካብ ግመውን ዝናም የዝንም። ኣብ ልዕሊ ሰባትውን ብብዝሒ የንጠብጥቡ። ንነጐድጓድ መሕደሪኡን ዘስተውዕሎ መን እዩ? ንመዓሙቝ ባሕሪ እውን ይሽፍኖ። ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህቦም። ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኽድይብ ድማ ይእዝዞ። በዙይ ድማ እንስሳት መሸምቦባ ኸም ዝቐረበ ይፈልጡ። ኣብ ስፍራኡ ኸዓ ተወሳወሰ። ነቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዘሎ ነጐድጓድ ስምዑ። ንብርሃኑውን ካብ ሓደ ወሰን፥ ናብቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይሰዶ። ድምፂ ምስ ተሰምዐ ንመብረቕ ኣይኽልክሎን። ንሕና ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገራት ድማ ይገብር። ናብ ምድሪ ኽወርዱ ይእዝዞም። ንኢድ ወዲ ሰብ ይሓትሞ። ኣብ በብዓቶም ድማ ይቕመጡ። ዛሕሊ ድማ ኻብ ሰሜን ይወፅእ። ስፍሓት ማያት ከዓ ይፀብብ። ንናይ መብረቕ ደመናታትውን ይብትኖም። ብእኡ እናተመርሑ ናብ ኵሉ ዓለም ይዞሩ ኣለዉ። ወይ ንምድሪ፥ ወይ ንምሕረት የውርዶም።” ቁም፤ ንተኣምራት እግዚኣብሄርውን ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ። እቲ ናይ ደመና ብርሃን ከመይ ከም ዘብርህ ፈሊጥካ ዲኻ? ወይ ናይቲ ፍልጠቱ ፍፁም ዝኾነ ዘደንቕ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ? ክዳውንትኻ ዝሞቐካ ኣታ ንስኻ፥ ተስተውዕሎ ዲኻ! ምስኡ ዄንካ ኽትዝርግሕ ምኸኣልካዶ ኔርካ? እንብሎ ንስኻ ኣፍልጠና። ኣነ ኽናገር እንተ ዝደሊ፥ ሰብዶ ይነግሮ እዩ?” ሰብ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘብርህ ብርሃን ክጥምቶ ኣይኽእልን። ኣምላኽ ከዓ ብዘፍርሕ ግርማኡ ተኸቢቡ ኣሎ። ንሓደኳ ኣይጭቁንን። ንሱ ኣየቕልበሎምን እዩ።” ንኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ ንምኽረይ ዘፀልምቶ መን እዩ? ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ። ተስተውዕል እንተ ዄንኻ እስኪ ንገረኒ። መለክዒ ገመድ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐኸ መን እዩ? ነቲ እምኒ መኣዝና ዘቖመኸ መን እዩ? ናይ መኣዝና እምኒኸ ዘቖመ መን እዩ? ማዕፆኡ ዝዓፀወ መን እዩ? መጠቕለሊኡ ገበርኩ። መሸጐርን መዓፁን ከዓ ገበርኩሉ፥ እቲ ብርቱዕ ናህሪ ማዕበላትካውን ካብዙይ ኣይሕለፍ” በልኩ። ወይ ንብርሃን ወጋሕታኸ ቦታኡ ኣፍሊጥካዮዶ ትፈልጥ ኢኻ? ኵሉ ነገርውን ከም ክዳን ይቕለም። እቲ ልዕል ዝበለ ቅልፅሞምውን ተሰይሩ። ኣብ ውሽጢ መሰረት ቃላይከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ? በርታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ ትፈልጥ? እዝ ዅሉ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ተዛረብ። ቦታ ፀልማትከ ኣበይ ኣሎ? አረ ቝፅሪ መዓልቲታትካውን ብዙሕ እዩ እሞ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ! ንቤት መዛግብቲ በረድከ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ? ንእኡ ንጊዜ መከራን ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ። ንፋስ ምብራቕከ ኣብ ምድሪ ኸመይ ይብተን? ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ዝገበረሉ መን እዩ? ነቲ ሰብ ዘይብሉ በረኻ ዝናም ዘዝንመሉ መን እዩ? ዘርውዮ መን እዩ? ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለደኸ መን እዩ? ንመዓሙቕ ባሕሪኸ ዘርግእ መን እዩ? ወይ ነቲ ኦሪዮ ዝበሃል ኮኸብ ክትፈትሕዶ ትኽእል ኢኻ? ክትመርሕዶ ትኽእል ኢኻ? ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝሰልጥ ክትገብርከ ትኽእል ዲኻ? ቃልካ ናብ ደመናት ክተልዕልዶ ትኽእል ኢኻ? ንመባርቕቲ ኽትልእኾምዶ ትኽእል ኢኻ? ንልቢ ሰብ ድማ ምስትውዓል ዝሃበ መን እዩ? ነሕርብቲ ሰማይከ ኸም ዘፍስሱ ዝገብሮም መን እዩ? ደናኵል ብሓደ ኸም ዝጣበቑ ዝገብርከ መን እዩ? ኰራዅር ኣንበሳኸ፥ ክተፅግቦም ትኽእል ዲኻ? ዝምግቦም መን እዩ? እራብ ቅልውላው እትተሓዘሉ ጊዜኸ ትምልከቶ ዲኻ? መኣዝውን ከም ዝወልዳ ትፈልጥ ዲኻ? ካብ ፃዕረንውን ይዓርፋ። ይወፃ እሞ ናብኣተን ኣይምለሳን።” ነቲ ኣድጊ በረኻኸ ኻብ መእሰሪኡ ዝፈትሖ መን እዩ? ምድሪ ጨው ከዓ መንበሪኡ ክኸውን ዝሃብክዎ ኣነ እየ። ደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን። ለምለም ዝኾነ ነገር ከዓ ይደሊ።” ኣብ ደምቤኻኸ ይሓድረልካዶ? ወይ ከዓ ኣብ ሕሩስዶ ደድሕሬኻ ይጕልጉል እዩ? ተግባርካኸ ንእኡ ትሓድግ ዲኻ? ካብ ዓውዲውን ከእትወልካዶ ተኣምኖ ኢኻ?” ክንፋን ክንቲታን ግና ኸም ራዛ ኣይነፍርን። በቲ ሙቐት ሑፃ ድማ ተሙቖ። ኣራዊትውን ከይረግፀለይ’ ኢላ ኣይትሓስብን። ፃዕረይ ከንቱ ኸይኸውን ኢላ ድማ ኣይትግደስን። ምስትውዓልውን ስለ ዘይዓደላን እዩ። ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቖም።” ከም ኣንበጣኸ ኣፈናጢርካዮ ዲኻ? እቲ ዕቡይ ኵርፍታኡ ዘፍርሕ እዩ። ናብ ውግእውን ክገጥም ይወፅእ። ካብ ሰይፊ ድማ ድሕር ኣይብልን እዩ። ብልጭልጭ ዝብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል። መለኸት ክንፋሕ እንተሎ ኣይቐውምን። ንፈኸራ ኣሕሉቑ ኻብ ርሑቕ ይሰምዖ።” ኣኽናፉውን ንደቡብ ኣቢሉ ዝዝርግሕኸ፥ ብጥበብካ ድዩ? ቤቱውን ኣብ በሪኽ ዝሰርሕኸ ብትእዛዝካ ድዩ? ኣብ ገደል ይነብር፤ ኣብ ገምገም ገደልን ኣብ ፀግዑን ይሓድር፤ ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ። ኣብቲ ገምብታት ዘለውዎ፥ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።” መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦ እቲ ምስ እግዚኣብሄር ዝማጐት ንሱ ይመልሰሉ።” ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ ኣፈይ ብኢደይ ሒዘ ኣለኹ። ግና ኣይደግምን እየ።” ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ። ንኣይ ድማ ኽትኵንነኒዶ ትደሊ ኣለኻ? ከም ድምፁ ጌርካዶ ኸተንጐድጕድ ትኽእል ኢኻ? ክብርን ግርማን ከዓ ልበስ። ቍጥዓኻ ኣፍሲስካ ኣዋርዶ። ንኽፉኣት ሰባትውን ኣብ ቦታኦም እንተለዉ ርገፆም። ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ገፆም ሸፍን። ክተድሕነካ ኸም እትኽእል ክምስክረልካ እየ።” ንሱ ኸም ብዕራይ ሳዕሪ ይበልዕ፤ ምብርታዑ ኣብ ጅማት ከብዱ እዩ ዘሎ። ጅማውቲ ሰለፉውን ፅኑዕ ትንጎ እዩ። ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓፂን እዩ።” ሰራሒኡውን ሰይፉ ሃቦ። ዝብላዕ ሳዕሪ የብቍለሉ። ኣብ ውሽጢ ሰልሰላን ረግረግን ድማ ይድቅስ። ኣእዋም ሩባ ዂሓውን ይኸብዎ። ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፉ እንተ መልአውን ኣይሰግእን። ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰንቀል ዘእትወሉኸ መን እዩ?” ንመልሓሱ ኸዓ ብገመድ ክትኣስሮዶ ትኽእል ኢኻ? ንምንጋጋኡ ድማ ብመቝለብ ክተንኵሎዶ ትኽእል ኢኻ? ብጥዑም ቃል ይዛረበካ ድዩ? ምሳኻዶ ኺዳን ዝኣቱ ይመስለካ? ወይ ነግራድካ መፃወቲ ኽትኣስሮ እትኽእልዶ ይመስለካ? ወይ ከዓ ነጋዶ የካፍልዎ ድዮም? ንባዕሉ ድማ ብመቓጥን ዓሳዶ ኽትመልኦ ትኽእል ኢኻ? መሊስካውን ኣይትድገም። ኵሉ ዝረአዮ ኣብ ቅድሚኡ ይዋረድ። ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ? ኵሉ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ናተይ እዩ።” ስለ ፅባቐ ሰብነቱን ስቕ ኣይብልን። ኣብ መንጎ ኽልቲአን ምንጋጋኡ ኽኣቱ ዝኽእልከ መን እዩ? ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ግርማ ኣሎ። ከም ብፀቢብ ማሕተም ዝተጋጠሙ እዮም። ንፋስ እኳ ብመንጎኡ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ። ክፈልዮም ዝኽእልውን የለን። ኣዒንቱውን ከም ወጋሕታ እየን። ካብኡ ድማ ትንታግ ሓዊ ይነጥር። ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወፅእ። ካብ ኣፉውን ሃልሃልታ ይወፅእ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ግርማ ይሰራሰር። ሰብነቱ ፅኑዕ ዘይነቓነቕ እዩ። ከም እምኒ መጥሓን ከዓ ፅኑዕ እዩ። ካብ ፍርሒ ዝተልዓለውን ይዓብዱ። ወይ መውግኢ እንተ ረኸብዎ ኣየሸንፍዎን። ንነሃስውን ከም ዝቘንቈነ ዕንፀይቲ ይቘፅሮ። እምኒ ወንጭፍውን ከም ሓሰር ኾይኑ ይስምዖ። ኲናት እንተ ወርወሩሉ ድማ ይስሕቖም። ኣብ ጭቃ ኸዓ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሓድግ። ንባሕሪ ድማ ኸም ቍራዕ ሽቱ ይገብሮ። እቲ ቓላይ ድማ ሲበት ይመስል። ኣብ ምድሪ የለን። ኣብ ልዕሊ ዅሎም ትዕቢተኛታትውን ንጉስ እዩ።” ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ዝኽልክለካ ኸም ዘየለን ፈለጥኩ። ንኣይ እምብዛ ዘገርም ነገርን ተናጊረ ኣለኹ። ኣነ ኽጥይቐካ፥ በይዛኻ ንስኻውን መልሰለይ።’ ሕዚ ግና ዓይነይ ሪኣትካ። ኣብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ኮይነ እንሳሕ ኣለኹ።” “ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ቍጥዓይ ነዲዱ እዩ። ሕዚ ኸዓ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዝኩም ናብ ኢዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ኽንዲ ርእስኹም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኢዮብ ባርያይውን ክፅልየልኩም እዩ፤ ንእኡ ኽቕበሎ እየ። ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይገብርን እየ።” ሽዑ ኤልፋዝ በዓል ቴማን፥ በልዳዶስ በዓል ሹሓ፥ ሶፋር በዓል ናዕማ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ተቐበሎ። ኵሎም ኣሕዋቱን ኵላተን ኣሓቱን ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ፈተውቱን ድማ፥ ናብኡ መፂኦም፥ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጀራ በልዑ። ስለ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ መከራታት ድማ ሓዘኑሉ፤ ኣፀናንዕዎውን። ነፍሲ ወከፎም ድማ ቕርሺ ብሩርን ቀለበት ወርቅን ሃብዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ ቐዳማይ ሃብቱ ነቲ ዳሕረዋይ ኣብሊፁ ባረኸሉ። ንሱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣግማል፥ ሽሕ ፅምዲ ብዕራይ፥ ሽሕ ኣንስትዮ ኣእዱግ ነበርዎ። ከምኡውን ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ተወለዱሉ። ነታ ቐዳመይቲ ይሚማ፥ ነታ ኻልአይቲ ቃስያ፥ ነታ ሳልሰይቲ ኣማልቶያስ ቂራስ ኢሉ ሰመየን። ኣብ ኵላ እታ ሃገር እቲኣ ኸም ኣጓላት ኢዮብ ዝበላ ምልኩዓት ኣይነበራን። ኣቦአን ድማ ምስቶም ኣሕዋተን ርስቲ ሃበን። ድሕሪዙይ ኢዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ነበረ፤ ደቁን ደቂ ደቁንውን ክሳዕ ኣርባዕተ ትውልዲ ረአየ። ድሕሪዙይ ኢዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ። ኣብ መንበር መላገፅቲ ድማ ዘይተቐመጠ ብፁእ እዩ። ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን የስተንትኖ። ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ። ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም። ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ፃድቃን ኣይቖሙን እዮም። መንገዲ ክፉኣት ግና ኽትጠፍእ እያ። ህዝብታትከ ንምንታይ ከንቱ ነገር ዝዛረቡ? ኣሕሉቕውን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መሲሑን፥ ከምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦ ንገመዳቶምውን ካባና ንደርብዮ” በሉ። ጐይታ ድማ የባጭወሎም። ብመዓቱ ኸዓ ይህውኾም። ንጉሰይ ሸምኩ።” ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ። ወሰናት ምድሪ ድማ ንግዝኣትካ ኽህበካ እየ። ከም ኣቕሓ መሬት ድማ ኽትቅጥቅጦም ኢኻ።” ኣቱም ፈራዶ ምድሪ እውን ተገሰፁ። ብረዓድ ድማ ደስ ይበልኩም። ኣብኡ ዝምዕቘቡ ዅሎም ብፁኣን እዮም። ክንደይከ እዮም ኣባይ ዝለዓሉ! ብዙሓት ሰባት “ንነፍሰይ ኣምላኽኪ ኣየድሕነክን” በልዋ። ክብረይን ንርእሰይውን ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ። ካብ ቅዱስ እምባኡ ኸዓ ይሰምዐኒ። እግዚኣብሄር ደጊፉኒ እዩሞ ነቓሕኹ። ካብቶም ዝኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሕን እየ። ነስናን ክፉኣት ሰባትውን ሴርካ ኢኻሞ። በረኸትካውን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ እዩ። መሓረኒ፤ ፀሎተይውን ሰምዐኒ። እትፈትዉን ንሓሰት እትደልዩን? እግዚኣብሄር ናብኡ እንትጠርዕ ይሰምዐኒ እዩ። ኣብ መደቀሲኹም እንተለኹም ድማ ብልብኹም መርምሩ፤ ህድእውን በሉ። ብእግዚኣብሄር ድማ ተኣመኑ። ኦ ጐይታ፥ ብርሃን ገፅካ ኣብ ልዕሌና ተፈለጠ።” ካብ ፍረ ስርናይን ወይንን ዘይትንውን እምብዛ በዝሐ። እህርስን ብሰላም እድቅስን ኣለኹ። ንጥርዓነይውን ኣስተብህል። ንቓል ኣውያተይ ኣድምፅ። ኣንጊሀ ኣብ ቅድሜኻ ኽቐውም እየ፤ ክፅበውን እየ። ክፉእ ድማ ምሳኻ ኣይሓድርን እዩ። ንዅሎም ገበርቲ ዓመፅ ፀላእኻ። እግዚኣብሄር ንደም ዘፍስስን ንመታለሊን ይፅየፍ። ንኣኻ ብምፍራሕ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ እሰግድ ኣለኹ። መንገደይውን ኣብ ቅድሜኻ ኣቕንዐለይ። ብመልሓሶምውን ይጥብሩ። ከም ብዝሒ በደሎም ኣሳጕጎም፤ ኣብ ልዕሌኻ ዓሚፆም እዮም እሞ። ኵሎም ንስምካ ዘፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ክምክሑ እዮም። ኦ ጐይታ፥ ከም ዋልታ ብሞገስ ከለልካና። ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ። ኣዕፅምተይ ተሃዊኸን እየንሞ፥ ፈውሰኒ። ኦ ጐይታ፥ ንስኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ? ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ። ኣብ ሲኦልከ መን የመስግነካ? ንመንፀፈይ ከዓ ብንብዓተይ ኣርሓስኩ። ካብ ኵሎም ፀላእተይ ዝተልዓለ ኣረግኩ። ኣቱም ገበርቲ ዓመፅ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ። እግዚኣብሄር ንፀሎተይ ከዓ ተቐበለ። ንድሕሪት ይመለሱ፤ ቀልጢፎምውን ይሕፈሩ። ካብ ኵሎም ዝኸቡኒ ኣድሕነኒ፤ ኣናግፈኒውን። ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ከይምንዝዕዋን ከይሰላልዕዋን። ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ከምዙይ ገይረ እንተ ደኣ ኾይነ፥ ንፀላእየይውን ብኸንቱ ገፊዐ እንተ ኾይነ፥ ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዳ። ኦ ኣምላኸይ ብዝኣዘዝካዮ ስርዓት ንቓሕ። ኣብ ልዕሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ተመለስ። ከም ለዋህነተይውን ይኹነለይ። እግዚኣብሄር ልብን ኵላሊትን ይምርምር። ንሱ ንቕኑዓት ልቢ የድሕኖም እዩ። ሓያልን ተዓጋሲን እዩ፤ ኵልሻዕውን ኣይቝጣዕን። ሰይፉ ይስሕል፤ ቀስቱውን ገተረ፤ ኣዳለወውን። ፍላፃታቱውን ከም ዝቃፀሉ ገበረ። ጕድኣት ጠነሰ፥ ሓጢኣትውን ወለደ። ናብቲ ዝዀዓቶ ጕድጓድ ድማ ይወድቕ። ዓመፃኡውን ኣብ ናላኡ ትወርድ። ንስም ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ኽዝምር እየ። ምስጋናኻ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ። ንፀላእን ንተበቃልን ምእንቲ ኽተጥፍእ እዩ። ነቶም ዝፈጠርካዮም ወርሕን ከዋኽብትን ምስ ረአኹ፥ ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ? ብኽብርን ብምስጋናን ኣኽሊል ከዓ ኸለልካዮ፤ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዛእኻሉ። ከምኡውን ንእንስሳታት በረኻን፥ ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ መንገዲ ባሕሪ ዝኸይድን ኣግዛእኻሉ። ስምካ ኣብ ኵላ ምድሪ የመና ተመስገነ። ኵሉ ዝገበርካዮ ተኣምራትውን ክነግር እየ። ኦ ልዑል፥ ንስምካ ኽዝምር እየ። ሰንከልከል ኢሎም ካብ ቅድሜኻ ኽጠፍኡ እዮም። ሓቂ እናፈረድካ ኣብ ዙፋንካ ተቐመጥካ። ስሞም ከዓ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ። መዘከርታኦምውን ብሓባር ጠፍአ። ዙፋኑውን ንፍርዲ ኣዳለወ። ንኣህዛብውን ብቕንዕና ይዳንዮም። ብጊዜ መከራኦምውን ረዳኢኦም እዩ። ነቶም ዝደልዩኻውን ኣይትሓድጎምን ኢኻሞ። ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ድማ ግብርታቱ ንገሩ። ኣውያት ነዳያንውን ኣይረስዐን እዩሞ። ካብ በርታት ሞት ልዕል ልዕል እተብለኒ፥ ብምድሓንካውን እሕጐስ። በቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ከዓ እግሮም ተትሓዘ። ሓጥእ ብግብሪ ኣእዳዉ ተትሓዘ። ንእግዚኣብሄር ዝረስዕዎ ዅሎም ኣህዛብውን። ተስፋ ፅጉማትውን ንዘለኣለም ኣይጠፍእን። ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዶም። ኣህዛብውን ሰብ ምዃኖም ይፍለጡ። ብጊዜ መከራኸ ስለ ምንታይ እትኽወል? ብዝሓሰብዎ ተንኰል ተትሓዙ። ንዓማፂውን ይባርኽ። ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ እግዚኣብሄር የለን። ንዅሎም ፀላእቱውን ይገዝኦም። ንውሉድ ወለዶውን ክፉእ ኣይረኽበንን” ይብል። ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ጕድኣትን መከራን እዩ። ኣዒንቱውን ኣብ ልዕሊ ምስኪን የነፃፅራ። ንድኻውን ይነጥቆ፤ ብመፃወድያኡውን ይስሕቦ። ኣብ እቲ ኢድ ሓያልውን ይወድቕ። ፈፂሙ ከይርኢውን ገፁ ሰወረ” ይብል። ንነዳያንውን ኣይትረስዓዮም። ብልቡ “ኣይመራመረንን” ይብል እዩሞ። ምስኪን፥ ንባዕሉ ኣባኻ የማዕቝብ። ደጊሙ ኸም ዘይብድልውን ግበሮ። ኣህዛብ ድማ ኻብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም። እዝኑውን ሓሳብ ልቦም ሰምዐት። ምባል ከይደግሙ። ብረሪ ትብልዋ ኣለኹም? ንፍላፃኦምውን ኣብ መንትግ ኣዳልዮም ኣለዉ። ፃድቕከ እንታይ ገበረ?” ቀራንብቱውን ንደቂ ሰብ ይምርምራ። ንዓመፅ ዝፈትዋ ግና ንነፍሱ ፀልኣ። ጕሁር ሓዊን ዲንን ኣውሎ ንፋስን፥ ዕድል ፅዋዖም እዩ። ቅንዕና ግና ንገፁ ትሪኦ። ካብ ደቂ ሰብውን ምትእምማን ጐዲሉ እዩሞ፥ ኣድሕነኒ። ብጠባሪ ኸንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ። እናበሉ ንዝዛረቡ ሰባት፥ ከጥፍኦም እዩ። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።” ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝተፈተነ ሸውዓተ ሻዕ ዝተፃረየ ብሩር እዩ። ካብዛ ትውልዲ እዚኣውን ንዘለኣለም ኣናግፈና። ዓመፅቲ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ይመላለሱ ኣለዉ። ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ኻባይ ገፅካ እትኽውል? ፀላእተይከ ኽሳዕ መኣዝ እዮም ኣብ ልዕለይ ዝዕበዩ? ኦ ኣምላኸይ፥ ተመልከተኒ ስምዐኒውን፤ ናይ ሞት ድቃስ ከይድቅስ ነዒንተይ ኣብርሃየን። ልበይውን ብምድሓንካ ይሕጐስ። ንስም ልዑል እግዚኣብሄርውን እዝምር ኣለኹ። ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን። እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ። ኣፎም መርገምን መሪርን ዝተመልአ እዩ። ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን። እግዚኣብሄር ኣብ ትውልዲ ፃድቃን እዩ እሞ። ግና ተስፋኦም እግዚኣብሄር እዩ። ያእቆብ ደስ ይብሎ፤ እስራኤልውን ይሕጐስ። ኣብቲ ቅዱስ እምባኻ ዝነብርከ መን እዩ? ፅድቂ ዝገብር፥ ብልቡውን ሓቂ ዝዛረብ፥ ቤተሰቡውን ዘይፀርፍ፥ ንብፃዩ ምሒሉ ዘይጠልም፥ እቲ ኸምዙይ ዝገብር ንዘለኣለም ኣይህወኽን። ኦ ኣምላኽ! ኣባኻ ተኣሚነ ኣለኹሞ ሓልወኒ። ብዘይ ዘኣኻ ሰናይ የብለይን። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዘለዉ ቕዱሳንን ክቡራንን እዩ። ስማቶምውን ብኸናፍረይ ኣይፅውዕን። ነቲ ዕፃይ እተፅንዖ ንስኻ ኢኻ። ርስተይውን ፀበቐትለይ። ብለይቲውን ኰላሊተይ ይግስፃኒ። ብየማነይ ስለ ዘሎ ድማ ኣይህወኽን። ስጋይውን ብተስፋ ትሓድር። ንቕዱስካውን ምብስባስ ክርኢ ኣይተሓድጎን ኢኻ። ኣብ የማንካውን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣሎ። ካብ ጠባሪ ከንፈር ዘይኮነ ፀሎተይውን ስማዕ። ኣዒንትኻውን ብቕንዕና ይርኣያ። ፈተንካኒ፤ ኣባይ ዓመፅ ኣይረኸብካለይን። ስለ ቓል ከናፍርካ ጭንቂ ዝኾኑ መንገድታት ሓለኹ። ኣእጋረይ ከይናወፃ ኣካይዳይ ብመንገድኻ ኣፅንዕ። እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፥ ቃለይውን ስማዕ። እቲ ዘደንቕ ሕያዋይነትካ ግለፅ። ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ። ብኣፎም ድማ ትዕቢት ተናገሩ። ኣዒንቶምውን ናብ ምድሪ ትሕት ትሕት ኣበሉ። ከምቲ ብሕቡእ ዘድቢ ሽደን ኣንበሳ እዩ። ንነፍሰይ ካብ ሓጢኣተኛ ብሰይፍኻ ኣድሕና። እቲ ዝተረፎም ድማ ንህፃናቶም ይሓድጉ። ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ። ኦ ሓይለይ እግዚኣብሄር፥ እፈትወካ እየ። መተኣማመኒየይን ቀርኒ ምድሓነይን መፀግዕየይን እዩ። ካብ ፀላእተይውን ክድሕን እየ። ውሕጅ ዓመፅውን ኣፍርሐኒ፤ መፈንጠር ሞት ኣርከበኒ። ገዓረይውን ኣብ ቅድሚኡ ናብ ኣእዛኑ ኣተወ። እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ተንቀጥቀጡ። ካብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ኻብኡ በርሀ። ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ። በኽናፍ ንፋስ ከዓ በረረ። ኣብ ውሽጢ ደመናት ናይ ፀልማት ማይ ነበረ። ደመናን በረድን ጓህሪ ሓዊን ሓለፉ። ልዑልውን ቃሉ ሃበ። ብርቱዕ መብረቕ ሰዲዱውን ሃወኾም። መሰረታት ምድሪ እውን ተገለፁ። ካብ ብዙሕ ማያትውን ኣውፅአኒ። ካብቶም ዝፀልኡኒ ፀላእተይውን ኣድሓነኒ። ግና እግዚኣብሄር ደገፈይ ኮነኒ። ፈትዩኒ እዩሞ ኣድሓነኒ። ከም ንፅህና ኢደይውን ክፈድየኒ እዩ። ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን። ስርዓታቱውን ካባይ ኣየርሓቕኩን። ካብ ሓጢኣተይውን ተዓቀብኩ። ኣብ ቅድሚኡውን ከም ንፅህና ኢደይ ክፈድየኒ እዩ። ምስ ቕኑዕ፥ ቅኑዕ ትኸውን። ምስ ጠዋይ፥ ጠዋይ ትኸውን። ንዓይኒ ትዕቢተኛታት ግና ተዋርዶ። ኣምላኸይ እግዚኣብሄር፥ ንፀልማተይ የብርህ። ብኣምላኸይውን ንቕፅሪ እዘሎ። ንሱ ነቶም ንእኡ ዝእመኑ ዅሎም ዋልታኦም እዩ። እንትርፊ ኣምላኽናኸ እግዚኣብሄር መን እዩ? ሓይሊ የዕጥቐኒ፥ ንመንገደይውን የቕንዐለይ፤ ኣብ እምባታት ከዓ ዘቑመኒ፥ እግዚኣብሄር እዩ። ንቐላፅመይውን ቀስቲ ነሃስ ገበረን። ዝምህረኒውን ተግሳፅካ እዩ። ኣእጋረይውን ኣይተሰናኸላን። ክሳዕ ዘጥፍኦምውን ኣይምለስን። ኣብ ትሕቲ እግረይ ክወድቑ እዮም። ንዅሎም እቶም ኣብ ልዕለይ ዝቖሙ ኣብ ትሕተይ ተግዝኦም። ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኻዮም። ንሱውን ኣይሰምዖምን። ከም ጭቃ መንገዲውን ክረግፆም እየ። ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ተገዝአለይ። ደቂ ጓና እናሰገዱ ናባይ መፁ። ብመንገዶምውን ተሰናኸሉ። ኣምላኽ መድሓኒተይውን ልዕል ልዕል ይበል። ንኣህዛብውን ኣብ ትሕተይ ከግዝአለይ እዩ። ካብ ገፋዒ ሰብ ተድሕነኒ ኢኻ። ንስምካውን ክዝምር እየ። ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ንዳዊትን ንዘርኡን ክሳዕ ዘለኣለም ይህብ። ናይ ሰማይ ጠፈርውን ግብሪ ኣእዳዉ የውርዩ። ለይቲ እውን ንለይቲ ፍልጠት ትናገር። ድምፆምውን ኣይስማዕን። ቃላቶምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም ወፀ። ከም ሃርበኛ ብመንገዲ ንምጕያይ ደስ ይብሎ። ካብ ረስኑውን ዝኽወል የለን። ንህፃናት ጠቢባን ይገብሮም። ንዓይኒ የብርህ። ፍርዲ እግዚኣብሄር ሓቅን ቅንዕናን ብሓደ እዮም። ካብ መዓርን፥ ካብ ወለላ መዓርን ድማ ይጥዕም። ብምሕላዉውን ብዙሕ ይጥቀም። ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ። ሽዑ ፍፁም ክኸውን እየ፤ ካብቲ ዓብዪ ሓጢኣትውን ክነፅህ እየ። ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን። ስም ኣምላኽ ያእቆብውን የቑምካ። ካብ ፅዮን ድማ የፅንዕኻ። ንዝቃፀል መስዋእትኻ ድማ የለምልመልካ። ኵሉ ፈቓድካውን ይፈፅመልካ። ንዅሉ ልመናኻ እግዚኣብሄር ይፈፅመልካ። ካብ ሰማይ መቕደሱ ይምልሰሉ። ንሕና ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና። ንሕና ግና ተሳእና፤ ፀኒዕናውን ቆምና። በታ እንፅውዐካ መዓልቲ እውን ስምዐና። ብምድሓንካውን የመና ደስ ይብሎ። ልመና ኸናፍሩውን ኣይከላእኻዮን። ብኽቡር ዕንቍ ዝኾነ ዘውዲ ኣብ ርእሱ ደፋእኻሉ። ንነዊሕ ዘመን ንዘለኣለም ሃብካዮ። ክብርን ምስጋናን ወሰኽካዮ። ብሓጐስ ገፅካ ኣሐጐስካዮ። ብልዑል ምሕረትውን ኣይናወፅን እዩ። የማነይቲኻውን ንዅሎም ዝፀልኡኻ ትራኸቦም። ሓዊ ድማ ኽበልዖም እዩ። ንዘርኦም ድማ ኻብ ማእኸል ደቂ ሰብ ክተጥፍእ ኢኻ። ዘይኽእሉዎ ምኽሪ ሓሰቡ። ቀስትኻ ናብ ገፆም ኣቢልካ ኽተዳሉ ኢኻ። ንፅንዓትካውን ክነመስግንን ክንዝምርን ኢና። ንኣይ ካብ ምድሓን፥ ካብ ቃል ገዓረይውን ርሑቕ ኢኻ። ብለይቲ እኳ ዕረፍቲ የብለይን። ብቕድስና ትነብር። ተኣመኑ፤ ንስኻውን ኣናገፍካዮም። ኣባኻውን ተኣመኑ፤ ኣይሓፈሩንውን። ናይ ሰብ መላገፂ ብህዝቢ እውን ዝተንዓቕኩ እየ። እንተ ፈትዩዎስ እስኪ የድሕኖ” ይብሉ። ኣብ ጡብ እኖይ እንተለኹውን ኣባኻ ተዓቘብኩ። ካብ ከብዲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። ካባይ ኣይትርሓቕ። ስቡሓት ሽደናትውን ሓዙኒ። ኣብ ልዕለይ ኣፎም ከፈቱ። ኣብ ማእኸል ኣምዑተይውን መኸኸ። ናብ መሬት ሞትውን ኣውረድካኒ። ኣእዳወይን ኣእጋረይን ሸንከሩኒ። ንሳቶምውን ይጥምቱንን ይዕዘቡንን ኣለዉ። ንቐምሸይውን ዕፃ ተዋደቑሉ። ኣታ ሓይለይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን። ንብሕትነተይውን ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ። ካብ ሓደ ዝቐርኑ ጐባይ ኣናግፈኒ። ኣብ ማእኸል ማሕበርውን ከመስግነካ እየ። ኵልኻትኩም ዘርኢ እስራኤልውን፥ ፍርሕዎ። ናብኡ ምስ ኣእዌኹውን ሰምዐኒ።” ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈርሕዎ መብፅዓይ ክህብ እየ። ልቦምውን ንዘለኣለም ህያው ይኸውን። ኵሎም ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሚኡ ክሰግዱ እዮም። ንሱውን ንኣህዛብ ክገዝእ እዩ። ነፍሰይውን ስሌኡ ብህይወት ክትነብር እያ። ዝመፅእ ትውልዲውን ንእግዚኣብሄር ክነግር እዩ። ፅድቁውን ነቲ ገና ዝውለድ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝገበሮን ፅድቁን ክነግሩ እዮም። ዘስእነኒውን የለን። ናብ ማይ ዕረፍቲ ይመርሐኒ። ስለ ስሙውን ብመንገዲ ፅድቂ መርሐኒ። በትርኻን ምርኩስካን ንሳተን የፀናንዓኒ እየን። ፅዋዐይ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄርውን ንዘለኣለም ክነብር እየ። ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ዅሎምውን። ብወሓዝቲውን ኣፅንዒዋ እዩሞ። ኣብቲ ቅዱስ ቦታኡ ዝቐውምከ መን እዩ? ንብፃዩ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ። ካብ መድሓኒኡ ኣምላኽውን ምሕረት ይቕበል። ንገፅ ኣምላኽ ያእቆብውን ትደሊ። እቲ ናይ ክብሪ ንጉስውን ይእቶ። እግዚኣብሄር እዩ ኣብ ውግእ ሓያል። እቲ ናይ ክብሪ ንጉስውን ይእቶ። ንሱ ናይ ክብሪ ንጉስ እዩ። ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዕል ኣለኹ። ፀላእተይውን በኣይ ኣይስሓቑ። እቶም ብኸንቱ ዝተናዀሉ ግና ኽሓፍሩ እዮም። ኣሰርካውን መሃረኒ። ኵልሻዕ ኣባኻ ተስፋ እገብር ኣለኹ። ካብ ጥንቲ እየንሞ ዘክረን። ስለ ብዝሒ ለውሃትካ፥ ከም ምሕረትካ ዘክረኒ። ስለዙይ ንሓጥኣን መንገዲ ይመርሖም። ንገርህታትውን መንገዲ ይምህሮም እዩ። ኵሉ መንገዲ እግዚኣብሄር ሕያዋይነትን ሓቅን እዩ። ምእንቲ ስምካ ይቕረ በለለይ። በቲ ንሱ ዝመረፆ መንገዲ ይመርሖ። ዘርኡውን ንምድሪ ይወርስ። ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም። ኣዒንተይ ኵልሻዕ ናብ እግዚኣብሄር እየን። ገፅካ ናባይ ግበር፤ መሓረኒውን። ካብ ጭንቀተይ ኣውፅአኒ። ንዅሉ ሓጢኣተይውን ይቕረ በለለይ። ብግፍዒውን ፀልኡኒ። ንኣኻ ተኣሚነ እየሞ ኣይሕፈር። ተኣማንነትን ቅንዕናን ይሓልዋኒ። ኦ ጐይታ፥ ንእስራኤል ካብ ኵሉ መከራኡ ኣድሕኖ። ብእግዚኣብሄርውን ኣሚነ ኣለኹሞ ኣይናወፅን። ንዀላሊተይን ንልበይን ፍተን። ብሓቅኻ እመላለስ ኣለኹ። ምስ ዓመፅትውን ኣይኣተኹን። ምስ ዓመፅትውን ኣይቕመጥን እየ። ኦ ጐይታ ንመሰዊዒኻውን እዞሮ ኣለኹ፤ ኵሉ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኽነግር እዩ። ነቲ ኽብርኻ ዝሓድረሉ ቦታ ፈተኹ። ምስ ናይ ደም ሰባት ኣይተጥፍኣያ። የማናይ ኢዶም ድማ ጉቦ ዝመልአ እዩ። ኣድሕነኒ፤ መሓረኒውን። ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማሕበር አመስግነካ ኣለኹ። ዘደንግፀኒኸ መን እዩ? ንሳቶም ተሰናኺሎም ወደቑ። ኲናት እንተ ተልዓለኒውን ኣነ ብእኡ እእመን እየ። ኣብ መቕደሱውን ከስተንትን እየ። ኣብ ኰዅሒ ድማ ልዕል ልዕል ኣቢሉኒ እዩሞ። ንእግዚኣብሄር ክቕነየሉ፥ ክዝምረሉውን እየ። መሓረኒ፤ ኣድምፀኒውን። ኦ ጐይታ፥ ልበይ ንገፅካ እደሊ ኣለኹ በለ። ኦ ኣምላኽ መድሓኒተይ ኣይትሕደገኒ። እግዚኣብሄር ግና ተቐበለኒ። ምእንቲ ፀላእተይውን ብቕኑዕ መንገዲ ምርሐኒ። ንድሌት ፀላእተይ፥ ኣሕሊፍካ ኣይተሃበኒ። እኣምን ኣለኹ። ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር። ኣታ ኣምላኸይ ስቕ ኣይትበለኒ። ናባኻ ኽምህለል እንተለኹ፥ ቃል ልመናይ ስማዕ። ምስ ብፆቶም ሰላም ምስ ዝዛረቡ ኣይትደርብየኒ። ፍዳኦምውን ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ከፍርሶም እዩ እምበር ኣይሃንፆምን። እግዚኣብሄር ይመስገን። ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ። ነቲ ዝቐብኦውን ናይ ድሕነቱ መተኣማመኒ እዩ። ሓልዎም፤ ንዘለኣለምውን ልዕል ልዕል ኣብሎም። ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ። ኣብ ስፍራ ቅድስናኡ ንእግዚኣብሄር ስገዱ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ። ድምፂ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ኽብሪ እዩ። እግዚኣብሄር ንዝግባ ሊባኖስ ይቕጥቅጦ። ንስርዮን ግና ከም ሓደ ቐርኒ ዘለዎ ውሉድ ኣራዊት የዐንድሮም። ድምፂ እግዚኣብሄር ንነበልባል ሓዊ ይስንጥቖ። እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የናውፆ። ኵሉውን ኣብ መቕደሱ ምስጋና ይብል። እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንጉስ ኮይኑ ይነብር። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾም። ንፀላእተይውን ኣየሐጐስካዮምንሞ ልዕል ልዕል ኣብለካ ኣለኹ። ምሕረትውን ገበርካለይ። ናብ ጕድጓድ ከይወርድውን ኣድሓንካኒ። ንመዘከርታ ቕድስናኡ ድማ ኣመስግኑ። ንግሆ ግና ሓጐስ ይኸውን። ኣነውን ብታሕጓሰይ “ንዘለኣለም ኣይናወፅን እየ” በልኩ። ገፅካ መለስካ፤ ኣነውን ደንገፅኩ። ናብ ኣምላኸይውን ለመንኩ። ንሓቅኻኸ ይነግርዶ? እግዚኣብሄር ረዳእየይ ኮነኒ።” ወጮይ ቀንጢጥካ ታሕጓስ ኣዕጠቕካኒ። ኦ ኣምላኸይ፥ ንዘለኣለም ከመስግነካ እየ። ብፅድቅኻውን ኣድሕነኒ። መፀግዒ ቤትን ኩነኒ። ስለ ስምካ ኢልካ መንገደይ ኣቕንዕ፤ ምርሐኒውን። ካብቲ ብሕቡእ ዘፃወዱለይ መፈንጠር ኣውፅአኒ። ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኦ ጐይታ ንስኻ ተቤዘውካኒ። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ተኣመንኩ። ብምሕረትካ ደስ ይብለኒ፥ እሕጐስውን ኣለኹ። ነእጋረይ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ኣቖምካየን። ነፍሰይን ከርሰይን ብሓዘን ሃለቓ። ሓይለይ ብሽግር ደኸመ፤ ኣዕፅምተይውን ሰንሰና። ኣብ ኣደባባይ ዝረአዩኒውን ካባይ ሃደሙ። ከም ስቡር ኣቕሓውን ተቘፀርኩ። ኣብ ልዕለይ ብሓደ ምስ ተኣከቡ ንነፍሰይ ክነጥቁ ተማኸሩ። ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻውን በልኩ። ካብ ኢድ ፀላእተይን ካብ ዘሳጕጉኒውን ኣድሕነኒ። ስለ ምሕረትካ ኸዓ ኣድሕነኒ። ክፉኣት ግና ይሕፈሩ፤ ኣብ ሲኦልውን ፀጥ ይበሉ። ከናፍር ሓሰት ይተዓበሳ። ንዝፈርሑኻ ዝሰወርካያ ሕያዋይነትካ ኽንደይ ትበዝሕ? ካብ ክርክር ኣንደበትውን ኣብ ውሽጢ ድንኳንካ ትጋርዶም። ዘደንቕ ምሕረቱ ኣባይ ዝገለፀ እግዚኣብሄር ይመስገን። ናባኻ ምስ ኣእዌኹ ግና ንቓል ልመናይ ሰማዕኻኒ። ንዕቡያት ግና ፈፂሙ ይብቀሎም። በርትዑ፤ ልብኹምውን ይፅናዕ። ኵሉ በደሉውን ዝተኸደነሉ ብፁእ እዩ። ኣብ መንፈሱ ጥበራ ዘይብሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ። ስቕ ምስ በልኩ፥ ኣዕፅምተይ ተበላሸዋ። ራሕሰይ ንትኩሳት ሓጋይ ተለወጠ። ንስኻውን ሓጢኣት ልበይ ሓደግካለይ። ብዙሕ ማይ ጥፍኣትውን፥ ናብኡ ኣይቐርብን። ካብ ዝኸበቡኒ ኽተድሕነኒ ሓጐሰይ ኢኻ። ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ። ልቢ ኸም ዘይብሎም ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ። ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ምሕረት ይኸቦ። ኵልኻትኩም ቅኑዓት ልቢ ድማ ዕልል በሉ። ንቕኑዓት ምስጋና ይግብኦም እዩ። ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ። ብዕልልታውን ሰናይ መዝሙር ዘምሩ። ኵሉ ስራሑውን ብእምነት እዩ። ሕያዋይነት እግዚኣብሄርውን ንምድሪ መልኦ። ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ። ንቓላያትውን ኣብ መዛግብቲ የንብሮም። ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነብሩውን ካብኡ ዝተልዓለ ይደንግፁ። ንሱ ምስ ኣዘዘውን ፀንዑ። ንሓሳባት ኣህዛብውን የፍርሶ። ሓሳባት ልቡውን ንውሉድ ወለዶ እዩ። እቲ ርስቱ ክኸውን ዝሓረዮ ህዝቢ እውን ብሩኽ እዩ። ንዅሎም ደቂ ሰብውን ረአየ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ተመልከተ። ንተግባር ኵላቶም ድማ ዝፈልጥ ንሱ እዩ። ሓያልውን ብብርትዐ ሓይሉ ኣየምልጥን። ብብዝሒ ሓይሉውን ኣየምልጥን። ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን። ብዘመን ጥሜትውን ይምግቦም። ረዳኢናን መፀግዕናን ንሱ እዩሞ። ብቅዱስ ስሙ ተኣሚንና ኢናሞ። ምሕረትካ ኣብ ልዕሌና ትኹን። ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ። ገርህታት እዙይ ሰሚዖም ይተሓጐሱ። ንስሙውን ሓቢርና ልዕል ልዕል ነብሎ። ካብ ኵሉ መከራይውን ኣድሓነኒ። ገፅኩምውን ኣይሓፍርን። ካብ ኵሉ መከራኡውን ኣድሓኖ። ንሱውን የናግፎም። ኣብኡ ዝእመን ሰብ ዝተባረኸ እዩ። ኵልኻትኩም ቅዱሳኑ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ። ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ኻብ ኵሉ ሰናይ ኣይጐድሎምን። ፍርሓት እግዚኣብሄር ክምህረኩም እየ። ንህይወት ዝፈቱ፥ ሰናይ መዓልቲታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን እዩ? ከናፍርካውን ጥበራ ኣይናገራ። ንሰላም ድለያ፤ ሰዓባውን። እዝኑ ኸዓ ናብ ልመናኦም እዩሞ። ገፅ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ገበርቲ ኽፉእ እዩ። ንሱ ድማ ሰምዖም፤ ካብ ኵሉ መከራኦምውን ኣናገፎም። ነቶም መንፈሶም ዝተሰብረ ድማ የድሕኖም። እግዚኣብሄር ግና ኻብ ኵሉ የድሕኖም። ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይስበርን። ንፃድቃን ዝፀልኡ ኸዓ ኽናስሑ እዮም። ኵሎም ብእኡ ዝኣምኑ ኣይናስሑን። ነቶም ዝዋግኡኒውን ተዋግኣዮም። ንኣይ ንምርዳእውን ተልዓል። ንነፍሰይውን “መድሓኒኺ ኣነ እየ” በላ። ንድሕሪኣቶምውን ይመለሱ። መልኣኽ እግዚኣብሄር የጨንቆም። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ የሳጕጎም። ንነፍሰይውን ብኸንቱ ኣበሳጭዮምዋ እዮም እሞ። ናብቲ ውሽጢ መፈንጠርውን ይውደቑ። ብምድሓኑውን ትሕጐስ። ንምስኪንን ንድኻን ድማ ኻብ ኢድ ነጣቒ ተናግፎም።” ዘይፈልጦ ነገርውን ኣብ ልዕለይ ተናገሩ። ንነፍሰይውን ውሉድ ኣስኣንዋ። ፀሎተይ ናብ ሕቝፈይ ተመለሰ። ንኖኡ ኸም ዝበኪውን ርእሰይ ትሕት ትሕት ኣበልኩ። ሰላልዑኒ፤ ኣይሓደጉንንውን። ኣስናኖምውን ኣብ ልዕለይ ሓርቀሙለይ። ንነፍሰይ ካብ ክፉእ ስራሖም፥ ንብሕትነተይውን ካብ ኣናብስ ኣናግፋ። ኣብ ማእኸል ብዙሕ ህዝቢ እውን ከመስግነካ እየ። እቶም ብኸንቱ ዝፃልኡኒውን በዒንቶም ኣይጠቓቐሱለይ። ብቝጥዓ ድማ ጥበራ ይመኽሩ። “እሰይ፥ እሰይ፥ እንኳዕ ብዓይንና ረአናዮ” ይብሉ ኣለዉ። ኦ ጐይታ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ። ኦ ጐይታ፥ ናብ ፍርደይ ፅን በል። ፀላእተይውን ብኣይ ኣይተሓጐሱ። “እንኳዕ ወሓጥናዮ” እውን ኣይበሉ። ሕፍረትን ውርደትን ይልበሱ። እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ እዩ” ይበሉ። ኵልሻዕውን ንምስጋናኻ ይናገር። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን። ሓጢኣቱ ምስ ረኸበቶ ይፀልኣ። ምስትውዓልን ሰናይ ምግባርንውን ሓደገ። ንኽፍኣትውን ኣይንዕቓን። ሓቅኻውን ክሳዕ ደመናት ይበፅሕ። ኦ ጐይታ፥ ንሰብን ንእንስሳን እተድሕኖም ንስኻ ኢኻ። ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍካ ይእመኑ። ካብ ወሓዚ በረኸትካ ተርውዮም። ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ። ንፅድቅኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ቕኑዓት ልቢ ዘርግሕ። ኢድ ሓጢኣተኛውን ኣይትሓውኸኒ። ወዲቖም እዮም፤ ክቖሙውን ኣይኽእሉን። በቶም ዓመፅትውን ኣይትቕናእ። ከም ልምሉም ቘፅሊውን ክረግፉ እዮም እሞ። ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር። ልብኻ ዝደልዮውን ንሱ ኽህበካ እዩ። ብእኡውን ተኣመን፤ ንሱ ድማ ኽገብረልካ እዩ። ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኸምፅአልካ እዩ። መንገዱ ብዝቐንዐሉ፥ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቕናእ። ከይትብድል ኣይትቕናእ። ንሳቶም ንምድሪ ኽወርሱ እዮም። ትደልዮ፤ ቦታኡውን ኣይትረኽቦን። ብብዙሕ ሰላም ድማ ደስ ይብሎም። ኣስናኑውን ኣብ ልዕሊኡ ይሕርቅም። መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ። ሰይፎም መዘዙ፤ ቀስቶምውን ገተሩ። ቀስቶምውን ይሰበር። ውሑድ ሃብቲ ፃድቃን ይበልፅ። ንፃድቃን ግና እግዚኣብሄር ክድግፎም እዩ። ርስቶምውን ንዘለኣለም እዩ። ብዘመን ጥሜትውን ክፀግቡ እዮም። ፀላእቲ እግዚኣብሄር ብዝኸበሩን ልዕል ልዕል ብዝበሉን ከም ትኪ ይጠፍኡ። ፃድቕ ሰብ ግና ይርህርህ፤ ይህብውን። እቶም ዝረግምዎ ግና ኽጠፍኡ እዮም። ንመንገዱውን ይፈቱ። እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ። ዘርኡውን እንጀራ እንትልምን ኣይረአኹን። ዘርኡ ድማ ብበረኸት ይነብር። ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ። ዘርኢ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ። ኣብኣውን ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም። ኣንደበቱውን ፍትሒ ይናገር። በካይዳኡውን ኣይሰናኸልን። ክቐትሎውን ይደሊ። ምስተፋረዶውን ኣየሸንፎን። ሓጢኣተኛታትውን ክጠፍኡ እንተለዉ ኽትርኢ ኢኻ። ከም ዝግባ ሊባኖስውን ለምሊሙ ረአኽዎ፤ ደለኹዎ፤ ቦታኡውን ኣይረኸብኩን። ነቲ ናይ ሰላም ሰብ፥ ተረፍ ኣለዎሞ። ናይ ሓጢኣተኛታት ተረፍውን ክጠፍኡ እዮም። ኣብ እዋን ፀገሞምውን መፀግዒኦም ንሱ እዩ። ብእኡ ተኣሚኖም እዮም እሞ፥ ከድሕኖም እዩ። ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ። ኢድካውን ኣኽቢድካለይ ኢኻሞ። ካብ ሓጢኣተይ ዝተልዓለውን ነዕፅምተይ ሰላም የብሎምን። ከም ከቢድ ሸኽሚውን ኣብ ልዕለይ የመና ኸቢዱኒ እዩ። ብሰንኪ ስንፍናይ፥ ቍስለይ በስበሰ፤ ሸተተውን። ኵልሻዕ ብትካዘ እመላለስ ኣለኹ። ንስጋይውን ጥዕና የብሉንሞ። ካብ ሓዘን ልበይ ዝተልዓለ እግዕር ኣለኹ። እህህታይውን ካባኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ብርሃን ኣዒንተይ ፈዘዘ። ኣዝማደይውን ርሒቖም ቆሙ። ኵልሻዕውን ብጥበራ ይመኽሩለይ ኣለዉ። ኣፉ ኸም ዘይኸፍት በሃም ኮንኩ። ብኣፉውን ክናገር ከም ዘይኽእል ሰብ ኮንኩ። ኦ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ትሰምዐኒ ኢኻ። እግረይ ሰንከልከል እንተበለውን ርእሶም ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል ከብሉ እዮም። ቍስለይውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩሞ። ብሓጢኣተይውን እጕሂ ኣለኹ። ብዘይ ምኽንያት ዝፀልኡኒ ብዙሓት እዮም። ክንዲ ሰናይ ክፉእ ዝምልሱ ይፀልኡኒ ኣለዉ። ኣምላኸይ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ። ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን። ኣብ ኣፈይ ሓላዊ ኸንብር እየ በልኩ። ቍስለይውን ተሓደሰኒ። ብኣንደበተይውን ተዛረብኩ፦ ምዃኑ ኣፍልጠኒ” ድማ በልኩ። ኵሉ ህያው ዝኾነ ሰብ ብሓቂ ኸንቱ ጥራሕ እዩ። ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን። ትዕግስተይውን ካባኻ እዩ። መላገፂ ሰነፋት ኣይትግበረኒ። ስቕ በልኩ፤ ኣፈይውን ኣይከፈትኩን። ካብ ሓይሊ ኢድካ ዝተልዓለ ተወዲአ ኣለኹሞ። ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ። ንንብዓተይውን ሸለል ኣይትበሎ። ናብ ዘይምለሰሉ እንተይኸድኩ ኽዓርፍ ሕደገኒ። ንሱውን ናባይ ምልስ ኢሉ ኣውያተይ ሰምዐ። ነእጋረይ ኣብ ኰዅሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣፅንዖ። ብእግዚኣብሄርውን ክእመኑ እዮም። ናብ ትዕቢተኛን ናብ ሓሳዊን ዘይጠመተ ሰብ ብፁእ እዩ። እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ። ዝቃፀልን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይትደልን ኢኻ። ብዛዕባይ ኣብ ርእሲ መፅሓፍ ተፅሒፉ ኣሎ። ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ። ኦ ጐይታ ንስኻ ፅድቀይ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብቲ ዓብዪ ጉባኤ ኣይሰወርኩን። ምሕረትካን ሓቅኻን ኵልሻዕ ይሓልዋኒ። ካብ ፀጕሪ ርእሰይውን በዝሑ፤ ልበይ ከዓ ጠለመኒ። ኦ ጐይታ፥ ንምርዳአይ ፍጠን። ንድሕሪት ይመለሱን ሓቢሮም ይዋረዱን። ውርደቶም ሽዑ ይፈደዩ። ኵልሻዕ “እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ” ይበሉ። ኦ ኣምላኸይ፥ ኣይትደንጒ። እግዚኣብሄር ከዓ ብመዓልቲ መከራ የድሕኖ። ናብ ኢድ ፀላእቱውን ኣሕሊፉ ኣይህቦን። ኣብ ጊዜ ሕማሙ፥ ንዅሉ መደቀሲኡ የንፅፈሉ። ንኣኻ በዲለ እየሞ ንነፍሰይ ፈውሳ” በልኩ። ኣባይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ። ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ይናገር። ኣብ ልዕለይውን ክፋእ ይሓስቡ ኣለዉ። ደጊም ኣይትስእን እዩ” ይብሉ ኣለዉ። እንጀራይ ዝበልዐ፥ ኣብ ልዕለይ ሸዀናኡ ኣልዓለ። ምእንቲ ኽምልሰሎምውን ኣተስአኒ። ስለዙይ ንስኻ ኸም ዝፈተኻኒ ፈለጥኩ። ኣብ ቅድሜኻ ኸዓ ንዘለኣለም ኣፅናዕኻኒ። ኣሜን፤ ኣሜን። ኦ ጐይታ ኸምኡ ነፍሰይ ናባኻ ትናፍቕ ኣላ። መኣዝ ክበፅሕ እየ? ገፅ ኣምላኸይከ መኣዝ እየ ዝርኢ? ንብዓተይ መዓልትን ለይትን ቀለብ ኮነኒ። እቶም በዓል ዝገብሩ ሰባት ቃል ሓጐስን ምስጋናን ኣስምዑ። ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ። ኣብቲ ንእሽተይ እምባ እዝክረካ ኣለኹ። ኵሉ መሸምቦባታትካን ማዕበላትካን ብልዕለይ ሓለፈ። መብፅዓይ ናብ ኣምላኽ ህይወተይ እዩ። ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ?” እብሎ። ኣዕፅምተይ ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ፀረፉኒ። ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ። ካብ ጠባሪን ዓማፅን ሰብ ኣድሕነኒ። ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ? ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፥ ናብታ መሕደሪኻን የብፅሓኒ። ኦ ኣምላኸይ፥ ብበገና ኸመስግነካ እየ። ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ። ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና። ንኣህዛብ ኣሳቐኻዮም፤ ኣሳጐጕካዮምውን። ቅልፅሞምውን ኣየድሓኖምን፤ ንያእቆብ መድሓኒት ኣዝዝ። ብስምካውን ኣብ ልዕሌና ንዝቖሙ ነዋርዶም። ሰይፈይውን ኣየድሕነንን እዩሞ። ነቶም ዝፀልኡናውን ኣሕፈርካዮም። ንስምካውን ንዘለኣለም ነመስግን። ምስ ሰራዊትናውን ኣይትወፅእን። እቶም ዝፀልኡናውን ተማናጠሉና። ናብ ኣህዛብ ድማ በተንካና። ብምልዋጦምውን ረብሓ የለን። ኣብ ዙርያና ንዝነብሩ ኸዓ መስሓቕን መላገፂኦምን ገበርካና። ኣብ ህዝብታት ድማ መነቕነቒ ርእሲ ገበርካና። ሕፍረት ገፀይ ሸፈነኒ። ንኺዳንካውን ኣይዓመፅናን። ኣሰርናውን ካብ መንገድኻ ኣይወፀን። ብፅላል ሞትውን ሰዊርካና ኢኻሞ። ኣእዳውናውን ናብ ካልእ ኣምላኽ ኣልዒልና እንተንኸውንስ፥ ንሱ ልቢ ዝሰወሮ ይፈልጥ እዩሞ። ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ኮንና። ተስእ! ንሓዋሩውን ኣይትደርብየና! ንመከራናን ጭንቕናንከ ንምንታይ ትርስዕ? ከብድናውን ናብ ምድሪ ተጣቢቓ እያሞ። ስለ ስምካ ተቤዘወና። ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ፀሓፊ እዩ። ስለዙይ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኸካ። ኣታ ሓያል ብክብርኻን ብግርማኻን፥ ሰይፍኻ ኣብ ሕቘኻ ዕጠቕ። የማንካውን ብኽብሪ ኽመርሐካ እዩ። ኣህዛብውን ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ። በትሪ መንግስትኻ በትሪ ቕንዕና እዩ። ስለዙይ ሕልፊ ብፆትካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ። ብስኒ ሓርማዝ ኣብ ዝተሰርሐ ኣዳራሽ፥ የሐጕሱኻ። እታ ንግስቲ ክዳን ወርቂ ተጐናፂፋን ተጐልቢባን፥ ኣብ የማንካ ትቐውም። ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ። ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ። ሃብታማት ህዝቢ ምድሪ ኣብ ቅድሜኺ ኽምህለሉ እዮም። ክዳውንታ ናይ ወርቂ መጐናፀፊ እዩ። ናብቲ ንጉስ የእትዉወን። ናብ ኣዳራሽ ንጉስውን የእትውወን። ኣብ ኵሉ ምድሪ እውን ገዛእቲ ጌርኪ ኽትሸሚዮም ኢኺ። ስለዙይ ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ ንዘለኣለመ ኣለም ክግዝኡልካ እዮም። ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ። ንሕናስ ኣይንፈርሕን ኢና። ልዑል ንመሕደሪኡ ቐደሰ። እግዚኣብሄር ቀልጢፉ ኽረድኣ እዩ። ንሱ ቃሉ ሃበ፤ ምድሪ እውን ኣንቀጥቀጠት። ኣምላኽ ያእቆብውን መፀግዒና እዩ። ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ተኣምራትውን ክትሪኡ ንዑ። ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ። ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።” ኣምላኽ ያእቆብ መፀግዒና እዩ። ብቓል ሓጐስውን ንእግዚኣብሄር ዕልል በሉ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እውን ዓብዪ ንጉስ እዩሞ። ንወገናትውን ኣብ ትሕቲ እግርና ኣግዝአልና። ንሱ ንርስቱ ንኣና ሓረየና። እግዚኣብሄር ብድምፂ መለኸት ዓረገ። ዘምሩ፥ ንንጉስና ዘምሩ። ብምስትውዓል ዘምሩሉ። እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋን ቅድስናኡ ይቕመጥ። ንእኡ ኸዓ ልዕል ልዕል ኣብልዎ። ምስጋናኡ ብዙሕ እዩ። ንሱውን ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እዩ። መፀግዒ ኾይኑ ይፍለጥ። እንሆ፥ ነገስታት ተኣኪቦም ብሓባር መፂኦም። ንሳቶም ሪኦም ተደነቑ፥ ደንገፁ፥ ተሃወኹ። ኣብኡ ኸም ሕርሲ ወላድ ምንቅጥቃጥ ሓዞም። ብብርቱዕ ንፋስ ንመራኽብ ተርሴስ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከፅንዓ እዩ። ምሕረትካ ተቐበልና። የማንካ ፅድቂ ዝመልአት እያ፤ ኣዋልድ ይሁዳውን ይተሓጐሳ። ግንብታታውን ቍፀሩ። ንኣዳራሻታውን ኣስተውዕሉ። ንሱ ንዘለኣለም ክመርሐና እዩ። ኵልኻትኩም ፅን በሉ፤ ሓቢርኩም ፅን በሉ። ሓሳባት ልበይ ከዓ ምስትውዓል ይህብ። ንምስጢረይ ከዓ ብበገና እገልፅ። ብኽፉእ መዓልቲ ንምንታይ ዝፈርሕ? ብብዝሒ ሃብቶም ከዓ ዝምክሑ፥ ቤዛኡውን ንእግዚኣብሄር ኣይህብን፤ ቤዛ ነፍሳቶም ክቡር እዩሞ፥ ንዘለኣለምውን ተሪፉ እዩሞ። ገንዘባቶምውን ንኻልኦት ከም ዝሓድጉ ሪኡ እዩ። በብሃገሮም ስማቶም ይፅዋዕ። ከም ዝጠፍኡ እንስሳታት መሰለ። እቶም ብድሕሪኦም ዝመፁውን ብኣፎም ይድግፍዎ። ኣብ ሲኦል ትበሊ። ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ክቢዘዋ እዩ። ሰብ እንተ ሃብተመ፥ ክብሪ ቤቱውን እንተ በዝሐ ኣይትፍርሓዮ። ክብሩውን ምስኡ ናብ መቓብር ኣይወርድን እዩሞ። ንሰብነቱ ፅቡቕ እንተ ገበርካሉ የመስግነካ። ንዘለኣለም ብርሃን ኣይርእን። ነተን ዝጠፍኣ እንስሳት መሰለ። ክሳዕ መዕረቢኣ፥ ንምድሪ ፀውዓ። እግዚኣብሄር ብገሃድ ክመፅእ እዩ። ኣብ ዙርያኡውን ብዙሕ ኣውሎ ኣሎ። ምድሪ እውን ብህዝቡ ንምፍራድ ክፅውዕ እዩ። ነቶም ንመስዋእቲ ኺዳን ምሳይ ዝቖሙ ቕዱሳነይ ኣክቡለይ። እግዚኣብሄር ፈራዳይ እዩሞ። ኣምላኽስ ኣነ ኣምላኽካ እየ። እቲ ዝቃፀል መስዋእትኻ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ። ካብ ደምቤኻውን ዲበላታት ኣይወስድን። ኣብ ኣሽሓት እምባታት ዘለዉ እንስሳትውን ናተይ እዮምሞ። ኣብ ምድረ በዳ ዘለዉ ኣራዊትውን ኣባይ እዮም። እንተ ዝጠሚውን ንኣኻ ኣይነግረካን። ደም ዲበላታትከ እሰቲ ድየ? ንልዑልውን መብፅዓኻ ሃብ። ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ። ኪዳነይከ ብኣፍካ ንምንታይ ትዛረብ? ንቓላተይውን ንድሕሬኻ ደርበኻዮ። ዕድልካውን ምስ ኣመንዝራታት ገበርካ። ኣንደበትካውን ጥበራ ተነጐ። ንወዲ እኖኻውን ዕንቅፋት ኣቐመጥካ። ኣነ ክግስፀካ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክቐውም እየ። እንተ ዘይኮይኑ ኽነጥቕ እዩ፥ ዘድሕንውን የለን። ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ምድሓን፥ ንእኡ ዘርእየሉ መንገዲ ኣብኡ ኣሎ። ከም ብዝሒ ምሕረትካ ኸዓ ምትሕልላፈይ ደምስስ። ካብ ሓጢኣተይውን ኣፅርየኒ። ሓጢኣተይውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩሞ። ኣብ ቅድሜኻውን ክፉእ ገበርኩ። እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ። ዘይረአ ስውር ጥበብ ኣፍለጥካኒ። ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ። ዝሰበርካዮም ኣዕፅምተይ ደስ ይበሎም። ንዅሉ በደለይውን ደምስሰለይ። ቅኑዕ መንፈስ ከዓ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ። ቅዱስ መንፈስካውን ካባይ ኣይትውሰደለይ። ብቕኑዕ መንፈስውን ደግፈኒ። ሓጢኣተኛታት ድማ ናባኻ ኽምለሱ እዮም። ኣንደበተይውን ብፅድቅኻ ኽትሕጐስ እያ። ኣፈይውን ምስጋናኻ ኽነግር እዩ። ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣየሐጕሰካን እዩ። እግዚኣብሄር ንዝተሰብረን ንዝተዋረደን ልቢ ኣይንዕቕን እዩ። ቅፅሪ ኢየሩሳሌምውን ንደቕ። ሽዑ ኣብ መሰዊኢኻ ዝራብዓት ክስውኡልካ እዮም። ንምንታይከ ዅልሻዕ እትዕምፅ? ከም ዝተስሓለ መላፀ ጥበራ ገበርካ። ፅድቂ ኻብ ምዝራብውን ንዓመፅ ፈተኻ። ንዅሉ ዘጥፍእ ቃልን፥ መልሓስ ጥበራን ፈተኻ። ሱርካውን ካብ ምድሪ ህያዋን ክነቕል እዩ። ብእኡ እናሰሓቑውን ከምዙይ ይብሉ፦ ብኸንቱ ነገር ዝበርትዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ እንሆ።” ኣብ ምሕረት ኣምላኽ፥ ንዓለምን ንዘለኣለምን ተኣሚነ ኣለኹ። ኣብ ቅዱሳንካ ሰናይ እዩሞ፥ ንስምካ ተስፋ ኽገብር እየ። ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን። እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ተመልከተ። ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን፤ ሓደኳ የለን። ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን። እግዚኣብሄር ንዒቑዎም እዩ እሞ፥ ኣሕፈርካዮም። ያእቆብ ደስ ክብሎ፤ እስራኤልውን ክሕጐስ እዩ። ብሓይልኻውን በይነለይ። ንቓላት ኣፈይውን ኣድምፅ። ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይገበርዎን። ጐይታይውን ንነፍሰይ ደጋፊኣ እዩ። ብሓቅኻውን ኣጥፍኣዮም። ኦ ጐይታ፥ ሰናይ እዩ እሞ፥ ንስምካ ኸመስግን እየ። ዓይነይውን ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ሪኣ እያ እሞ። ንምህለላይውን ሸለል ኣይትበል። ብሓዘነይ ተሃዊኸ ኣለኹ፤ ተናዊፀውን ኣለኹ። ብቝጥዓውን ፀሊኦምኒ ኣለዉ። ድንጋፀ ሞትውን ወደቐኒ። ፀልማትውን ሸፈነኒ። እንሆ ዀብሊለ ምረሓቕኩ፤ ኣብ በረኻውን ምተቐመጥኩ ነይረ። ካብ ኣውሎ ንፋስን መሸምቦባን ሃዲመ ምፈጠንኩ ነይረ። ኣስጥሞም፤ ንመላሕሶምውን ቍረፅ። ዓመፅ፥ ድኻም፥ ሓጢኣትውን ኣብ ውሽጣ ኣሎ። ተንኰልን ጥበራን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቑን። ካብኡ ምተሓባእኹ ነይረ። ዓርከይን ናይ ልቢ ፈታዊየይን ነበርካ፤ ብሓደ ልቢ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተመላለስና። ክፍኣት ኣብ መሕደሪኦምን ኣብ ማእኸሎምን እዩሞ። እግዚኣብሄርውን ሰምዐኒ። ንሱውን ድምፀይ ይሰምዐኒ። ካብ ዝቐርቡኒ፥ ንነፍሰይ ብሰላም ኣድሕና። ካብ ጥንቲ ዝነበረ እግዚኣብሄር ሰሚዑ የዋርዶም። ንኺዳኑውን ኣርከሳ። ንሳቶም ግና ኸም ዝተመዘዘ ሰይፊ እዮም። ነቲ ፃድቕ ንዘለኣለም ሁከት ኣይህቦን። ኣነ ግና ኣባኻ እእመን ኣለኹ። ኵልሻዕውን ብሰልፊ ኣጨኒቑኒ እዩ። ኵልሻዕ ምሉእ መዓልቲ ረገፁኒ። ኣነ ግና ፈራሕኹ ብኣኻውን ተኣመንኩ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ? ኵሉ ኣብ ልዕለይ ዝመኽርዎ ንኽፉእ እዩ። ኵልሻዕውን ንነፍሰይ የድብዩላ። ብቝጥዓኻ ንኣህዛብ ክትድርብዮም ኢኻ። ንንብዓተይ ከም ትእዛዝካ ኣብ ቅድሜኻ ኣቐመጥካ። በዙይውን ንስኻ ኣምላኸይ ከም ዝኾንካ ፈለጥኩ። ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኣኽብር። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ? ዘቕርበልካውን ናይ ምስጋና መስዋእቲ እዩ። ነእጋረይ ካብ ምስንኻል ኣድሒንካ ኢኻሞ። ኣኽናፍካ ተኣሚነ ኣለኹ። ናብ ልዑል እግዚኣብሄር አእዊ ኣለኹ። እግዚኣብሄር ምሕረቱን ሓቁን ለኣኸ። ኣንደበቶምውን ዝተስሓለ ሰይፊ እዩ። ክብርኻውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን። ግና ባዕልቶም ኣብኡ ወደቑ። ክቕነን ክዝምርን እየ። ኣነውን ኣንጊሀ ኽትስእ እየ። ኣብ ማእኸል ወገናትውን ክዝምረልካ እየ። ሓቅኻውን ክሳዕ ደመናት እዩሞ። ክብርኻውን ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሰብ ብቕንዕና ትፈርዱዶ? በእዳውኩምውን ኣብ ምድሪ ዓመፅ ትፍሕሱ ኣለኹምሞ። ካብ ከብዲ ጀሚሮምውን ሰሓቱ፤ ሓሰትውን ተናገሩ። ከም ኣራዊት ምድሪ እዝና ዝፀመመ እዩ። ቃል ኣስማተኛ ኸም ዘይትሰምዕ ኣራዊት ምድሪ እዮም። እግዚኣብሄር ናይ ኣናብስ መንጋጋ የድቅቕ። ክሳዕ ዘድክሞም ፍላፃታቱ ይግትር። ከምቲ ቝላዕ ሰበይቲ ፀሓይ ኣይርኣዩ። ህያዋን እንተለኹም፥ ብመዓቱ ኽምንጥለኩም እዩ። ብደም እቲ ሓጢኣተኛውን ኢዱ ይሕፀብ። ኣብ ምድሪ፥ ብሓቂ ዝፈርድ ኣምላኽ ኣሎ” ይብል። ኣብ ልዕለይ ካብ ዝተስኡውን ኣናግፈኒ። ካብ ናይ ደም ሰባት ኣድሕነኒ። ብሓጢኣተይውን ኣይኮነን። ተስእ፤ ተቐበለኒ፤ ረአውን። ዓመፅ ንዝገብሩ ዅሎም ኣይትምሓሮም። ኣብ ከተማ ኸዓ ይዙሩ። “መንከ ኸይሰምዐና?” ድማ ይብሉ። ንዅሎም ኣህዛብውን ትንዕቖም። ንሓይለይ ናባኻ ኣዕቝቦ ኣለኹ። ኣምላኸይ፥ ኣብ ፀላእተይ የርእየኒ። ኦ ዋልታይ፥ ብሓይልኻ በትኖምን ኣውርዶምን። ብትዕቢቶም ይፃወዱ። ኣምላኽ ያእቆብውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኸም ዝገዝእ ይፍለጡ። ኣብ ከተማውን ይዙሩ። እንተ ዘይፀገቡ ድማ የጕረምርሙ። ብመዓልቲ መከራይ መፀግዕየይን እምባይን ኴንካኒ ኢኻሞ። ኦ ረዳእየይ፥ ንኣኻ ንኣምላኸይ ክዝምር እየ። ተቘጣዕኻና፤ ይቕረውን በልካና። ተናዊፃ እያሞ ቝስላ ፈውስ። ዘደንግፅ ወይኒ እውን ኣስተኻና። ነቶም ዝፈርሑኻ ምልክት ሃብካዮም። ብየማንካ ኣድሕን፤ ስምዐኒውን። ንለሰ ሱኮትውን ብመለክዒ ኽልክዖ እየ። ይሁዳውን ንጉሰይ እዩ። ፍልስጥኤም ክግዝኡለይ እዮም።” ናብ ኤዶምያስከ መን ይመርሐኒ? ኦ ኣምላኽ፥ ምስ ሰራዊትናውን ኣይትወፅእን ኢኻ! ምድሓን ሰብውን ከንቱ እዩ። ንሱውን ንዘጨንቑና ኸዋርዶም እዩሞ። ፀሎተይውን ኣድምፅ። ኣብ ልዕሊ እምኒ ልዕል ልዕል ኣበልካኒ። ተስፋይውን ኴንካኒ ኢኻሞ መራሕኻኒ። ኣብ ፅላል ኣኽናፍካውን ክኽወል እየ። ስምካ ንዝፈርሑ ርስቲ ሃብካዮም። ዘመኑውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ይኸውን። ክሕልዋኦ ምሕረትካን ሓቅኻን ኣዳልወሉ። እዙይውን መብፅዓይ ምእንቲ ኽፍፅም እዩ። ምድሓነይ ካብኡ እዩሞ። ንሱ መፀግዕየይ እዩ፤ ፈፂመ ኣይናወፅን እየ። ከም ዝፈረሰ ቕፅሪ ትቐትሉ። ብኣፎም ይምርቑ፤ ብልቦም ይረግሙ። ተስፋይ ካብኡ እያሞ። ዕርደይ ንሱ እዩ፤ ፈፂመ ኣይህወኽን እየ። ኣምላኽ ረድኤተይን፥ ተስፋይንውን እግዚኣብሄር እዩ። እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ። ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም። ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኹም ኣይተዓበ። ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። ንስኻ ንዅሉ ኸም ግብሩ ኽትፈድዮ ኢኻሞ። ስጋይ ንኣኻ ከመይ ናፈቐት። ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ተመልከትኩኻ። ምሕረትካ ኻብ ህይወት ይበልፅ እዩሞ፥ ከናፍረይ የመስግናኻ። ብስምካውን ኣእዳወይ ከልዕል እየ። ከናፍረይ ብደስታ ንስምካ የመስግና። ኣንጊሀውን እናገረልካ ኣለኹ። ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣለኹ። ነኣይውን የማነይትኻ ተቐበለትኒ። ናብ መዓሙቕ ምድሪ ኽወርዱ እዮም። ግደ ወኻሩትውን ይኾኑ። ኵሉ ሓሰት ዝናገር ኣፍ ግና ክዕበስ እዩሞ። ንፀላኢ ኻብ ምፍራሕ፥ ንነፍሰይ ኣድሕና። ካብ ብዝሒ ገበርቲ ዓመፅን ሰውረኒ። መልሓሶም ከም ሰይፊ ኣብልሑ፤ ድንገት ይነድፍዎ፤ ኣይፈርሑንውን። “መንከ ይሪአና” ድማ ይብሉ። ናይ ሰብ ሓሳቡን ልቡን ዓሚቝ እዩ! ድንገትውን ብፍላፃ ይቘስሉ። ኵሎም ዝርኢዎምውን ይድንግፁ። ስራሑውን ኣስተውዓሉ። ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ዕልል ክብሉ እዮም። ንኣኻውን ፀሎት ክቐርብ እዩ። ኵሉ ሰብ፥ ፀሎት ናብ እትሰምዕ ናባኻ ይመፅእ። ሓጢኣትናስ ንስኻ ይቕረ ትብለልና ኢኻ። ካብ ቤትካ በረኸት ክንፀግብ ኢና። ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስምዐና። ሓይሊውን ተዓጠቕካ። ተናውፅ ኢኻ። ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን መውፅኢ ድማ ተሐጕሶም። ከምኡ ተዳልዎ ኢኻሞ፥ ምግቦም ትህቦም። ብነጠብጣብ ተለስልሳ፤ ንበቝላውን ትባርኾ። ምድረ በዳውን ኣውሊ ኽፀግብ እዩ። ኰረብታታትውን ብሓጐስ ይዕጠቑ። ብሓጐስ ዕልል ይብሉን ይዝምሩን። ንእግዚኣብሄር ዕልል በሉ። ንምስጋናኡውን ክብሪ ሃቡ። ሓይልኻ ብዙሕ እንትኸውን ፀላእትኻ ሓሰዉኻ። ንኣኻ ኽዝምሩ፥ ንስምካውን ክዝምሩ እዮም። ካብ ደቂ ሰብ ብምኽሩ የመና ግሩም እዩ። ኣብኡ ብእኡ ደስ ይብለና። ዓመፀኛታት ንርእሶም ልዕል ልዕል ኣየብሉ። ድምፂ ምስጋናኡውን ኣስምዑ። ነእጋረይውን ንምንዋፅ ኣሕሊፉ ኣይህበንን። ንብሩር ከም ዝፍትንዎውን ፈተንካና። ኣብ ዝባንና መከራ ኣንበርካ። ናብ ዕረፍቲ እውን ኣውፃእኻና። ምስ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ መቕደስካ ኽኣቱ እየ። ንኣኻ ኽፍፅም እየ። ኣብዑርን ኣጣልንውን ክስውአልካ እየ። እግዚኣብሄር ንነፍሰይ ዝገበረላ ኽነግረኩምስ ንዑ ስምዑኒ። ብልሳነይውን ኣመስገንክዎ። እግዚኣብሄር ኣይምሰምዐንን ነይሩ። ናብ ድምፂ ልመናይ ድማ ኣድመፀ። ምሕረቱውን ካባይ ዘየርሓቐ እግዚኣብሄር ይመስገን። ገፁውን ኣብ ልዕሌና የብርህ። ምድሓንካውን ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክፍለጥስ፥ ገፅካ ኣብርሀልና። ኵሎም ኣህዛብውን የመስግኑኻ። ኣህዛብ ይተሓጐሱ፤ ሓሴትውን ይግበሩ። ኵሎም ኣህዛብውን የመስግኑኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ኽባርኸና እዩ። ኵሎም ወሰናት ምድሪ ኸዓ ኽፈርሕዎ እዮም። እቶም ዝፀልእዎ ኸዓ ኻብ ገፁ ይህደሙ። ከምኡውን ሓጥኣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይጥፍኡ። ብደስታውን ደስ ይበሎም። ኣብ ቅድሚ ገፁውን ደስ ይበልኩም። ንደኽታማት ኣቦ፥ ንመበለታት ድማ ዳኛ እዩ። ዓመፀኛታት ግና ኣብ ምድረ በዳ ይነብሩ። ምድሪ ተናወፀት፤ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ። ምስ ደኸመውን ንስኻ ኣፅናዕኻዮ። ኦ ጐይታ፥ ብሕያዋይነትካ ንድኻታት ኣዳሎኻሎም። እቶም ዘውርዩ ድማ ብዙሓት ሰራዊት እዮም። እታ ኣብ ገዛ እትነብርውን ምርኮ ተኻፈለት። ብቘፅሊ ወርቂ ኸም ዝተለበጡ፥ ክንቲታት ኢኹም። ኣብ ልዕሊ ሰልሞን በረድ ይዘንም። ፅኑዕ እምባን ዝለመለመ እምባን እዩ። ብሓቂ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብኡ ኽሓድረሉ እዩ። ጐይታ ኣብ መቕደሱ ኣብ ሲና፥ ኣብ ማእኸሎም እዩ። ኣብኡ ምእንቲ ኽሓድሩስ፥ ንዓመፀኛታትውን ሃብካ። ኣምላኽ መድሓኒትና ይረድአና። ካብ ሞት ምድሓንውን ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ነቲ ብበደሉ ዝመላለስ፥ ጐታን መንበስበስታኡ ኽጭፍልቕ እዩ። ካብ መዓሙቝ ባሕሪ እውን ክምልሶም እየ፤ መልሓስ ኣኽላባትካ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ምእንቲ ክኸውን እዩ። ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ተገለፀ። ከበሮ ዝወቕዓ ደናግል ኣብ ማእኸል ነበራ። ንጐይታናውን ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ኣመስግንዎ። ገዛእቶም ኣሕሉቕ ይሁዳን፥ ኣሕሉቕ ዛብሎንን፥ ኣሕሉቕ ንፍታሌምን ኣለዉ። ኦ ጐይታ፥ ነቲ ንኣና ዝሰራዕኻዮ ኣፅንዓዮ። ነገስታት ንኣኻ ውህብቶ ኸምፅኡ እዮም። ነቶም ውግእ ዝፈትዉ ኣህዛብ በትኖም። ኢትዮጵያ ኸዓ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ እግዚኣብሄር ክትዝርግሕ እያ። ንጐይታውን ዘምሩ። እንሆ፥ ቃል ሓይሊ ዝኾነ ቓሉ ይህብ ኣሎ። ሓይሉውን ኣብ ልዕሊ ደበናታት እዩ። እግዚኣብሄር ይመስገን። ኦ ጐይታ፥ ማይ ክሳዕ ነፍሰይ በፂሑኒ እዩሞ ኣድሕነኒ። ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ በፃሕኹ፤ ማዕበልውን ኣስጠመኒ። ንኣምላኸይ እናተፀበኹ ኣዒንተይ ፈዘዛ። ዘይወሰድክዎ ኽምልስ እኳ ግዲ ዀነኒ። ሓጢኣተይውን ካባኻ ኣይሕባእን። እቶም ዝደልዩኻ ብኣይ ኣይሕሰሩ። ንገፀይውን ሕፍረት ጐልበቦ። ነሕዋተይ ከም ባዕዲ፥ ንደቂ እኖይውን ከም ጋሻ ኾንኩ። ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻውን ኣባይ ወደቐ። ንፀርፊውን ኮነኒ። መመሰሊውን ኮንክዎም። እቶም ወይኒ ዝሰትዩ ኸዓ ብኣይ ይደርፉ። ኦ ጐይታ፥ ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ብሓቂ ምድሓንካውን መልሰለይ። ካብ ፀላእተይን ካብ መዓሙቕ ማያትን ኣናግፈኒ። ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኣይዕፆ። ከም ብዝሒ ርህራሄኻ ናባይ ተመልከት። ተጨኒቐ ኣለኹሞ፥ ቀልጢፍካ መልሰለይ። ስለ ፀላእተይውን ኣድሕነኒ። ኵሎም እቶም ዘጨንቑኒ ኣብ ቅድሜኻ ኣለዉ። ዘፀናንዐኒውን ሰኣንኩ። ንፅምአይውን መፂፅ ኣስተዩኒ። ንመፃወድያ ንፍዳ ንዕንቅፋት ትኹኖም። ዝባናቶምውን ኵልሻዕ ይጕበጥ። ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ይርከቦም። ኣብ ድንኳናቶም ዝነብር ኣይረኸብ። ኣብ ልዕሊ ቝስለይውን ቃንዛ ወሰኹለይ። ናብ ፅድቅኻውን ኣይእተዉ። ምስ ፃድቃንውን ኣይፀሓፉ። ኦ ጐይታ፥ መድሓኒት ገፅካ ይቀበለኒ። ብምስጋናውን ልዕል ልዕል ከብሎ እየ። ብዝበለፀ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ። ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ህያዋንውን ኩኑ። ነቶም እሱራትውን ኣይንዕቕን እዩሞ። ኣብኣ ዝዋሳወስ ኵሉን ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ። ኣብኣ ክነብሩን ክወርስዋን እዮም። ስሙ ዝፈትዉውን ኣብኣ ኽነብሩ እዮም። ኦ ጐይታ፥ ንኣይ ንምርዳእውን ፍጠን። ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። ሓፊሮም ንድሕሪት ይመለሱ። እግዚኣብሄር ኵልሻዕ “ዓብዪ እዩ!” ይበሉ። ንስኻ ኢኻሞ ኣይትደንጒ። ንዘለኣለም ኣይሕፈር። እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ኣድሕነኒውን። ንምድሓነይ ኣዘዝካ። ካብ ኢድ ዓማፅን ገፋዕንውን ኣናግፈኒ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መተኣማመኒየይ ኢኻሞ። ኵልሻዕውን ምስጋናይ ንኣኻ እዩ። ንብዙሓት መደነቒ ኾንክዎም። ንኣፈይ ምስጋናኻ ምላእ። ሓይለይ ምስ ተወድአውን ኣይትሕደገኒ። ከምዙይ ኢሎም ሓቢሮም ተማኸሩ፦ ዘናግፎ የለን እሞ ተኸቲልኩም ሓዝዎ።” ኦ ኣምላኸይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን። ሕፍረትን ሓሳርን ይከደኑ። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኽ እየ። ኣፈይ ፅድቅኻ፥ ኵሉ ጊዜውን ምድሓንካ ይናገር ኦ ጐይታ፥ ንፅድቅኻ ጥራሕ ክዝክር እየ። ክሳዕ ሕዚ እውን ተኣምራትካ እናገር ኣለኹ። ኦ ጐይታ ኣይትሕደገኒ። ኦ ኣምላኽ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ? ካብ ውሽጢ ምድሪ እውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ። ካብ መዓሙቕውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ። ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ። እታ ዘድሓንካያ ነፍሰይን ደስ ይብለን። መልሓሰይ ኵልሻዕ ፅድቅኻ ኽትናገር እያ። ፅድቅኻ ድማ ንወዲ ንጉስ ሃብ። ንነዳያንካውን ብፍትሒ ኽፈርድ እዩ። ንህዝብኻ ሰላም ይቀበሉ። ንደቂ ምስኪናትካ ድኻታትውን ተድሕኖም፤ ነቲ ዕቡይ ድማ ኽተዋርዶ ኢኻ። ኣብ ቅድሚ ወርሒውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘንጠብጥብ ነጠብጣብውን ይወርድ። ወርሒ ክሳዕ እትሓልፍውን ብዙሕ ሰላም ክህሉ እዩ። ካብ ፈለግውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኽገዝእ እዩ። ፀላእቱ ኸዓ ሓመድ ክቝሕሙ እዮም። ነገስታት ሳባን ዓረብን ድማ ገፀ በረኸት ከቕርቡሉ እዮም። ኵሎም ኣህዛብውን ክግዝኡሉ እዮም። ንድኻን ካብ ኢድ ዝዕምፆ የድሕኖ። ንነፍሲ ድኻታትውን የድሕን። ስሙውን ኣብ ቅድሚኣቶም ክቡር እዩ። ኵሉ መዓልቲ እውን ክባርኽዎ እዮም። ከም ሳዕሪ ምድሪ ኽበቍል እዩ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኸመስግንዎ እዮም። ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይመስገን። ኣሜን! ኣሜን! ፀሎት ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብዙይ ተፈፀመ። ንእስራኤል ከመይ ሰናይ እዩ። ኣካይዳይውን ከንደልህፅ ቀሪበ ነበርኩ። ብዓመፀኛታት ቀኒአ ነይረ እየሞ። ሓይሎምውን ጥንኩር እዩ። ምስ ሰብውን ኣይተገረፉን። ንሓጢኣትን ንበደልን ከም ክዳን ተወንዘፍዋ። ልቦምውን ካብ ዝምነይዎ ንላዕሊ ረኸበ። ልዕል ልዕል ኢሎምውን ብዓመፃ ተናገሩ። መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ምድሪ ተመላለሰ። ፍፁም ጊዜ ኣብ ልዕሊኣቶም ይርከብ። እቲ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ?” ይብሉ። ኵልሻዕውን ሃብቶም የብዝሑ ኣለዉ። ነእዳወይውን ብኸንቱ ብንፅህና ሓፀብኩ። ፀርፈይውን በብንግሆ እዩ። ንትውልዲ ደቅኻ ምበደልኩ ነይረ። እዙይ ግና ኣብ ቅድመይ ኣፀጋሚ ነበረ። ንፍፃሜኣቶምውን ክሳዕ ዘስተውዕል ተሸገርኩ። ናብ ጥፍኣትውን ደርበኻዮም። ብድንገት ሃለቑ፤ ብሓጢኣቶም ድማ ጠፍኡ። ኦ ጐይታ፥ ምስ ነቓሕኻ ንምልክቶም ተነውሮ። ልበይ ነዲዱ ኢዩሞ፤ ኰላሊተይውን መኺኹ እዩሞ። ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ኾንኩ። የማነይቲ ኢደይ ሓዝካኒ። ምስ ክብሪውን ተቐበልካኒ። ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ? እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ዕድለይ እዩ። ነቶም ካባኻ ርሒቆም ዘመንዝሩ፥ ኣጥፋእኻዮም። መተኣማመንየይ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ልዕሊ መጓሰ ኣባጊዕኻኸ ንምንታይ ቍጥዓ ተቘጣዕኻ? ነታ ኣብኣ ዝሓደርካያ እምባ ፅዮን ዘክር። ኵልሻዕ ኣብ ትዕቢቶም ኢድካ ኣልዕል። ዘይፈልጥዎ ምልክትውን ምልክት ገበሩ። ንበሪታታ ብማሕፀ ሰበሩ። ከምኡ ብማሕፀን ብመዶሻን ገይሮም ሰበርዎ። ንመሕደሪ ስምካውን ኣብ ምድሪ ኣርከስዋ። ንዑ ንበዓላት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ንስዓር በሉ። ክሳዕ መኣዝ ከም ዝነብር ዝፈልጥ ኣባና የለን። ክሳዕ መኣዝ እዩኸ ፀላኢ ንስምካ ዘቃልሎ? ኢድካውን ንምንታይ ፈፂምካ እትምልስ? ኣብ ማእኸል ምድሪ እውን መድሓኒት ገበረ። ኣራእስ ኣትማን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሰበርካ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምግቦም ሃብካዮም። ንስኻ ነቶም ኵልሻዕ ዝውሕዙ ሩባታት ኣንቀፅካ። ንስኻ ንወርሕን ንፀሓይን ኣፅናዕኻየን። ንሓጋይን ንኽረምትን ንስኻ ገበርካዮ። ሰነፍ ህዝቢ እውን ንስሙ ኣቘጥዖ። ንነፍሲ እቶም ሽግረኛታትካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ። ናብ ኪዳንካ ተመልከት። ምስኪንን ድኻን ንስምካ የመስግኑ። ሰነፋት ኵልሻዕ ዘባጨዉልካ ዘክር። ኵርዓት ፀላእትኻ ዅልሻዕ ናባኻ ይድይብ ኣሎ። ኵሉ ተኣምራትካውን ንነግር ኣለና። ኣነ ሓቂ ኽፈርድ እየ። ኣነ ግና ነዕምዳ ኣፅናዕኹ። ነቶም ሓጢኣተኛታትውን “ቀርንኹም ኣይተልዕሉ” በልክዎም። ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርውን ዓመፅ ኣይትናገሩ። ወይ ካብ ምድረ በዳ ኣይመፅእንሞ። ነዙይ የዋርድ፤ ነቱይ ከዓ የኽብር። ኵሎም ሓጥኣን ምድሪ ድማ ኽሰትይዎ እዮም። ንኣምላኽ ያእቆብውን ክዝምረሉ እየ፤ ኣቕርንቲ ፃድቃን ግና ልዕል ልዕል ክብሉ እዮም። ኣብ እስራኤል ከዓ ስሙ ዓብዪ እዩ። መሕደሪኡውን ኣብ ፅዮን እዩ። ኵሉ ኣፅዋር ውግእን ሰባበረ። ብዘደንቕ ተብርህ። ኵሎም ሃብታማትውን ኣብ ኢዳቶም ዝኾነ ኣይረኽቡን። ኵሎም ፈረሰኛታት ደቀሱ። ንመዓትካ መን ይቃወሞ? ምድሪ ፈርሐት፤ ስቕ ድማ በለት። ካብ ተረፍ ሕሊናኦም በዓልካ ይገብሩ። ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ነቲ ዘፍርሕ ገፀ በረኸት የእትዉ። ንነገስታት ምድሪ ኸዓ የፍርሕ። ንሱውን ሰምዐኒ። ነፍሰይውን ክትፀናናዕ ኣይከኣለትን። ተናገርኩ፤ ነፍሰይ ድማ ፈዘዘት። ደንገፅኩ፤ ኣይተናገርኩንውን። ናይ ዘለኣለም ዓመታትውን ሓሰብኩ፤ ኣስተንተንኩውን። ንነፍሰይውን ኣንቃሕኽዋ። ድሕሪ ደጊምከ ፀጋኡዶ ኣይውስኽን እዩ? እቲ ዝተናገሮ ቓልከ ተወዲኡ ድዩ? ንምሕረቱኸ ብቝጥዓኡዶ ዓፅይዎ እዩ? ዓመታት የማናይ እቲ ልዑል እዝክር ኣለኹ። ነቲ ጥንቲ ዝገበርካዮ ተኣምራትካውን እዝክር እየሞ። ነቲ ስራሕኻውን ክዝክሮ እየ። ከም ኣምላኽና ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽ መን እዩ? ንህዝብኻ ሓይልኻ ኣርአኻዮም። ብቕልፅምካ ተቤዘኻዮም። ቃላያት ተናወፁ፤ ማያትውን ድምፂ ኣስምዑ። በርቅታትካውን ብዅሉ ወገን ማሕ ማሕ በለ። ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን። ኣካይዳኻውን ኣይፍለጥን። ንህዝብኻ ኸም መጓሰ፥ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን መራሕኻዮም። እዝንኹምውን ናብ ቃል ኣፈይ ፅን ኣብሉ። ነቲ ኻብ ቀደም ዝነበረ ምስላውን እናገር ኣለኹ። ንዝመፅእ ትውልዲ ኻብ ደቆም ኣይሓብኡን። ዝገበሮ ተኣምራቱን ተናገሩ። ንደቆም ክምህርዎም ነቦታትና ኣዘዞም። ተሲኦም ንደቆም ክነግሩ እዮም፤ ትእዛዛቱውን ምእንቲ ኽሕልዉ እዩ። ነፍሳ ብእግዚኣብሄር ዘይተኣመነት ከይኾኑ። ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመለሱ። ብሕጉ ምኽያድውን ኣበዩ። ረድኤቱን ነቲ ዘርኣዮም ተኣምራቱን ረስዕዎ። ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም፥ ተኣምራት ገበረ። ንማይ ከዓ ኸም ኵምራ ኣቖሞ። ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም። ካብ ቃላይ ከም ዝርከብ ብዙሕ ማይ ኣስተዮም። ንማይ ድማ ኸም ውሕጅ ኣፍሰሶ። ንልዑል ከዓ ኣብ ምድረ በዳ ኣቘጥዕዎ። ብልቦም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ። ንህዝቡኸ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል?” ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ቍጥዓኡ ወፀ። ብምድሓኑውን ኣይተኣማመኑንሞ። በርታት ሰማይውን ከፈተ። እንጀራ ሰማይውን ሃቦም። ክሳዕ ዝተርፎምውን ስንቂ ሰደደሎም። ብሓይሉውን ንንፋስ ደቡብ ኣምፅአ። ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑፃ ባሕሪ ኣዝነመሎም፤ በልዑ እምብዛውን ፀገቡ። በልዑ፤ የመናውን ፀገቡ። መብልዖም ገና ኣብ ኣፎም እንተሎ፥ ንሕሩያን እስራኤልውን ኣሰናኸለ። ብተኣምራቱውን ኣይኣመኑን። ዓመታቶም ድማ ብሽኰላ ሓለፋ። ይምለሱ ናብ እግዚኣብሄርውን ይግስግሱ። መድሓኒኦምውን ልዑል እግዚኣብሄር ምዃኑ ዘከሩ። ብመልሓሶም ድማ ጠበርዎ። ብኺዳኑውን ኣይተኣመኑን። ብዅሉ መዓቱ ድማ ኣየቃፀለን። ወፂኡ ዘይምለስ መንፈስ፥ ስጋ ኸም ዝኾኑ ዘከረ። ኣብ በረኻውን ኣጕሃይዎ። ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣሕዘንዎ። ንሳቶም ንኢዱን፥ ነታ ኻብ ኢድ ፀላእቶም ዘድሓኖም መዓልትን፥ ነቲ ኣብ በረኻ ጣኔዎስ ዝገበሮ ድንቂ ነገርን ኣይዘከርዎን። ምስታይ ምእንቲ ኽስእኑ፥ ናብ ደም ለወጦ። ብጭንቍራዕውን ኣጥፍኦም። ንወይኖም ብበረድ፥ ንበለሶም ከዓ በስሓይታ ኣጥፍአ። መቕሰፍትን መዓትን፥ መከራንውን ብኽፉኣት መላእኽቲ ሰደደ። ንእንስሳኣቶምውን ኣብ ውሽጢ ሞት ዓፀወ። ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም፤ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም። ንፀላእቶም ግና ባሕሪ ደፈኖም። ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዝፈጠረታ፥ ናብዛ እምባ እዚኣ ኣእተዎም። ንህዝቢ እስራኤልውን ኣብ ኣባይቶም ኣንበረ። ንምስክሩውን ኣይሓለዉን። ከም ጠዋይ ቀስቲውን ተገልበጡ። ብዝተቐረፀ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ። ንእስራኤልውን ፈፂሙ ነዓቖም። እታ ኣብ ማእኸል ሰብ ሓዲሩላ ንዝነበረ ድንኳኑ ሓደጋ። ናብ ኢድ ፀላኢኦም ኣሕሊፉ ሃበ። ንርስቱውን ሸለል በሎም። ደናግሎምውን ኣይሓዘናን። መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን። ስኻር ወይኒ ኸም ዝሓደጎ ኸም ሓያል ሰብ ተስአ። ናይ ዘለኣለም ሓሳርውን ሃቦም። ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሓረዮን፤ ንነገድ ይሁዳ፥ ነቲ ዘፍቀሮ እምባ ፅዮን ግና ሓረዮ። ኣብ ምድሪ እውን ንዘለኣለም መስረታ። ካብ መጓሰ ኣባጊዕውን ወሰዶ። ካብ ዘጥብዋ ኣባጊዕ ኣምፅኦ። ብጥበብ ኢዱውን መርሖም። ንኢየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ። ንስጋ ፃድቃንካ ድማ ንኣራዊት በረኻ ምግቢ ገበሩ። ዝቐብሮምውን ሰኣኑ። መስሓቒኦምን መላገፂኦምን ኮንና። ቅንኣትካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ? ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ መንግስታት ኣፍስሶ። ነታ መሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ። የመና ተሸጊርና ኢናሞ። ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና። ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍለጡ። ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻ ኣድሕኖም። ሸውዓተ ኢድ ጌርካ ኣብ ሕቝፎም ፍደዮም። ንውሉድ ወለዶውን ምስጋናኻ ኽንነግር ኢና። ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፥ ተገለፅ። ሓይልኻ ኣልዕል፤ ንምድሓንናውን ነዓ። ምእንቲ ኽንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና። ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ኣብ ልዕሊ ፀሎት ባርያኻ እትቝጣዕ? ብመስፈሪ ኸዓ ንብዓት ኣስተኻና። ፀላእትናውን ይሳለቑና ኣለዉ። ክንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና። ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ንኣኣ ተኸልካያ። ሰራውራ ተኸልካ፤ ንምድሪ እውን መልአት። ጨናፍራ ድማ ኸም ዝግባ እግዚኣብሄር ኮኑ። ውልዶታታ ኸዓ ኽሳዕ ፈለግ ዘርግሐት። እንሆ ሕዚ ዅሎም ሓለፍቲ መንገዲ ይቕንጥብዋ ኣለዉ። መውፈሪ እንስሳ በረኻውን ኮነት። ነዛ ዓፀደ ወይኒ እዚኣ ብፅሐላ። የማንካ ንዝተኸለታ ኣልዕላ። ካብ ተግሳፅ ገፅካ ዝተልዓለ ይጠፍኡ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣኻ ኢልካ ዘፅናዕኻዮ ወዲ ሰብ ትኹን። ኣሕውየና ስምካውን ክንፅውዕ ኢና። ንኽንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና። ንኣምላኽ ያእቆብውን ዕልል በሉ። ዘሐጕስ በገና ምስ መሰንቆ፥ መለኸት ንፍሑ። ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ፍርዲውን እዩ። ዘይፈልጦ ቛንቋ ሰምዐ። ኣእዳዉውን ካብ ተገዛእነት ከፈር ኣርሓቕኩ። ኣብ ማይ መሪባ ፈተንኩኻ። ኦ እስራኤል ኣሰምዐልካ ኣለኹ። ንባዕዲ ኣምላኽውን ኣይምሰገድካን። ኣፍካ ኽፈት፤ ኣነውን ክመልኦ እየ።” እስራኤልውን ኣየዳመፁንን። ብሓሳብ ልቦምውን ከዱ። እስራኤልውን ብመንገደይ እንተ ዝኸዱ! ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቕዎምውን ኢደይ መልዓልኩ ነይረ። ጊዜኦምውን ክሳዕ ዘለኣለም ምኾነ ነይሩ። ካብ ኰዅሒውን መዓር መፅገቦም ነይሩ።” ኣብ ማእኸል ኣማልኽቲውን ይፈርድ። ንገፅ ሓጥኣን ርኢኹም ከዓ እተዳልዉ? ንጥቑዕን ንምስኪንን ከዓ ፍትሒ ኣውፅኡሎም። ካብ ኣእዳው ሓጥኣንውን ኣናግፍዎም። ኵሉ መሰረት ምድሪ ተናወፀ። ኵልኻትኩምውን ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም” በልኩ፤ ከም ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕውን ክትወድቁ ኢኹም” በልኩ። ንስኻ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስ ኢኻ። ኦ ኣምላኽ፥ ስቕ ኣይትበል፤ ሸለልውን ኣይትበል። እቶም ዝፀልኡኻውን ርእሶም ኣልዓሉ። ኣብ ልዕሊ ቕዱሳንካውን ተማኸሩ። ንዑ፥ ካብ ኣህዛብ ነጥፍኣዮም” በሉ። ኣብ ልዕሌኻውን ኣሻረዉ፤ ቃል ኪዳን ተኣታተዉ። ሞኣባውያንን ኣጋራውያንን፥ ፍልስጥኤማውያንን ሰብ ጢሮስን እዮም። ንደቂ ሎጥውን ሓገዝቲ ኾንዎም። ኣብ ሩባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም። ከም ጐሓፍ ምድሪ እውን ኮኑ። ንዓበይቶምውን ከም ዛብሔልን ስልማናን ግበሮም። ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዘሎ ሓሰር፥ ግበሮም። ሃልሃልታውን ንእምባታት ዘቃፅሎ፥ ብመቕሰፍትኻውን ኣደንግፆም። ስምካ ምእንቲ ኽፈልጡስ ንገፆም ብውርደት ሸፍኖ። ይሕፈሩን ይጥፍኡን። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ እውን ንስኻ በይንኻ ልዑል ከም ዝኾንካ ይፍለጡ። ኦ ጐይታ ሰራዊት፥ መሕደሪታትካ ከመይ ዝተፈተዉ እዮም! ልበይን ስጋይን ብህያው እግዚኣብሄር ተሓጐሰ። ንሱ መሰውኢካ እዩ። ንዘለኣለመ ኣለምውን የመስግኑኻ። ብልቡውን ላዕለዋይ መንገዲ ዝሓስብ ብፁእ እዩ። መምህር ሕጊ በረኸት ይህብ። ኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣብ ፅዮን ይረአ። ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፥ ፅን በል። ናብ ገፅ እቲ ዝቐባእኻዮውን ተመልከት። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክድርበ መረፅኩ። ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን። ብኣኻ ዝተኣመነ ብፁእ እዩ። ንምርኮ ያእቆብውን መለስካ። ኵሉ በደሎምውን ከደንካ። ካብ ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ተመለስካ። ንቝጥዓኻውን ካባና መልስ። ቍጥዓኻኸ ንውሉድ ወለዶዶ ኽተንውሕ ኢኻ? ህዝቢ እውን ብኣኻ ይሕጐስ። ምድሓንካውን ሃበና። ንህዝቡን ንፃድቃኑን ልቦም ናብኡ ንዝመልሱን፥ ሰላም ይናገር። ምድሓኑ ነቶም ዝፈርሕዎ ቐረባ እዩ። ፅድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ። ፅድቂውን ካብ ሰማይ ጠመተት። ምድሪ እውን ፍሪኣ ትህብ። ኣሰሩውን ኣብ መንገዲ ይሓድግ። እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ስምዐኒውን። ኦ ኣምላኸይ፥ ብኣኻ ንዝተኣመነ ባርያኻ ኣድሕኖ። ኦ ጐይታ፥ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ አእዊ ኣለኹ እሞ መሓረኒ። ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ። ምሕረትካውን ንዅሎም ዝፅውዑኻ ብዙሕ እዩ። ድምፂ ልመናይውን ስማዕ። ብመዓልቲ መከራይ ክፅውዐካ እየ። ከም ስራሕኻውን ዝበለ የለን። ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱ፤ ንስምካውን ከኽብሩ እዮም። ንስኻ በይንኻ ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻሞ። ስምካ ንምፍራሕ፥ ልበይ ደስ ይብሎ። ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ። ንነፍሰይ ከዓ ኻብ መዓሙቕ ሲኦል ኣድሓንካያ። ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይገበሩኻን። መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ። ንወዲ ባርያኻውን ኣድሕኖ። ረዲእኻንን ኣፀናኒዕኻንን ኢኻሞ። መሰረታታ ኣብ ዝተቐደሱ እምባታት እዮም። ንበርታት ፅዮን ይፈትወን እዩ። ኣቲ ኸተማ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባኺ ዝተነግረ ዘደንቕ እዩ። እዚኣቶም ኣብኣ ተወለዱ።” እቲ ልዑልውን ባዕሉ መስረታ። ኣብ ውሽጣ ንዝተወለዱ ኣሕሉቓውን ብመፅሓፍ ይነግሮም። ደስ ከም ዝብሎም ይነግሮም። ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን አእዊ ኣለኹ፤ እዝንኻውን ናብ ልመናይ ፅን ኣብል። ህይወተይውን ናብ መቓብር ቀሪባ ኣላሞ። ረዳኢ ኸም ዘይብሉ ሰብውን ኮንኩ። ንሳቶምውን ካብ ኢድካ ርሒቆም እዮም። ኣብ ታሕተዋይ ጕድጓድ ኣንበርካኒ። ኵሉ መቕሰፍትኻውን ኣብ ልዕለይ ኣምፃእኻ። ሓዙኒ፤ መውፅኢውን የብለይን። ኵሉ መዓልቲ እውን ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ። ዝሞቱኸ ተሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም? ኣብ ቦታ ጥፍኣትከ ሓቅነትካዶ ይንገር እዩ? ፅድቅኻኸ ኣብ ምድሪ ተረሲዑ ድዩ? ፀሎተይ ኣንጊሃ ናባኻ ትብፃሕ። ስለ ምንታይከ ገፅካ ኻባይ ትኽውል? ልዕል ልዕል ምስ በልኩ ግና ተዋረድኩ፤ ተንዓቕኩውን። ግርማኻውን ኣደንገፀኒ፤ ሓቢሮምውን ሓዙኒ። ነዝማደይውን ካብ መከራ ዝተልዓለ ኻባይ ኣርሓቕካ። ተኣማንነትካውን ንውሉድ ወለዶ ብኣፈይ ክነግር እየ። ተኣማንነትካ ኣብ ሰማይ ፀንዐ። ኢለ መሓልኩሉ” በልካ። ተኣማንነትካውን ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ከመስግኑ እዮም። ካብ ደቂ ኣማልኽትኸ መን ይመስሎ? የመና ዓቢይን ግሩምን እዩ። ሓቂውን ይኸበካ። ንድምፂ ማዕበሉውን ንስኻ ስቕ ተብሎ። ብሓይሊ ቕልፅምካውን ንፀላእትኻ በተንካዮም። ንዓለም ብምልእታ ንስኻ መስረትካያ። ንስምካውን ይዝምሩ። ኢድካ በርትዐት፤ የማነይትኻውን ልዕል ልዕል በለት። ምሕረትን ሓቅን ቀቅድሜኻ ይኸዱ። ኦ ጐይታ ብብርሃን ገፅካ ይኸዱ። ብፅድቕካውን ልዕል ልዕል ይብሉ። ብሞገስካውን ቀርንና ልዕል ልዕል ይብል። ንጉስናውን ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ። ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ። ቅዱስ ዘይቲውን ቀባእኽዎ፤ ቅልፅመይውን ክተፅንዖ እያ። ውሉድ ዓመፅውን መከራ ኣይውስኸሉን። ነቶም ዝፀልእዎውን ከዋርዶም እየ። ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ። የማኑውን ኣብ ልዕሊ ሩባታት ከንብር እየ። ንስኻ ኢኻ’ ኽብለኒ እዩ። ንሱ ኻብ ነገስታት ምድሪ ልዑል እዩ። ንኺዳነይውን ዝተኣመነ እዩ። ንዙፋኑውን ከም መዋእል ሰማይ ክገብሮ እየ።” ከም ፍርደይ እንተ ዘይከዱ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሓለዉ፥ ንበደሎምውን ብመቕሰፍቲ ኽቐፅዖም እየ። ብተኣማንነተይ ኣይዕምፅን። ካብ ኣፈይ ዝወፀውን ኣይልውጥን።” ሓደ ሻዕ ብቕድስናይ ምሒለ ኣለኹ። ኣብ ቅድመይ ክነብር እዩ። ምስክርነቱውን ኣብ ሰማይ ዝተኣመነ እዩ።” ነቲ ዝቐባእኻዮውን ደርበኻዮ። ኪዳን ባርያኻ ኣፍረስካ፤ ንመቕደሱውን ኣብ ምድሪ ኣርከስካ። ንእምባታቱ ኸዓ ኣዕኖኻ። ንጐረባብቱ ድማ ፀርፊ ኾነ። ንዅሎም ፀላእቱ ኣሐጐስካዮም። ኣብ ውሽጢ ውግእውን ኣይደገፍካዮን፤ ሕፍረትውን ኣጐልበብካዮ። ኣብ ልዕሊኡውን ሕፍረት ወሰኽካ። ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ? ብሓቂ ንወዲ ሰብ ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮ? ንነፍሱውን ካብ ሲኦል ዘድሕና መን እዩ? እቲ ናይ ቀደም ምሕረትካ ኣበይ ኣሎ? ነቲ ኻብ ብዙሕ ኣህዛብ፥ ኣብ ሕቝፈይ ዝተቐበልኩዎ ፀርፍን ዘክር። ነቲ ዝቐባእኻዮ ዘመን ዝፀርፍዎ ዘለዉ ፀርፊ ዘክር። ኣሜን! ኣሜን! ኦ ጐይታ፥ ንዅሉ ውሉድ ወለዶ መፀግዒ ኾንካና። ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኢኻ። “ኣቱም ደቂ ሰብ ተመለሱ” ትብል ኣለኻ። ከም ምንቃሕ ለይትን እየን። ብንግሆ ኸም ሳዕሪ ይሓልፍ። ኣጋ ምሸት ግና ፀምልዩ ነቒፁ ይወድቕ። ብመቕሰፍትኻውን ደንጊፅና ኢናሞ። ሕቡእ በደልናውን ኣብ ቅድሚ ብርሃን ገፅካ እዩ። ንሕናውን ብመቕሰፍትካ ሃሊቕና ኢና። ካባና ቐልጢፉ ይሓልፍ፤ ንሕናውን ንግሰፅ ኢናሞ። ካብ ግርማ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ሃለቑ። የማንካ ኸምዙይ ኣፍልጠና። ስለ ባሮትካውን ተማጐት። ብንግሆ ምሕረትካ ኣፅግበና። ክፉእ ዝረአናለን ዓመታትን ኣሐጕሰና። ንደቆምውን ምርሓዮም። ተግባር ኣእዳውናውን ኣቕንዐልና። ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር። ዝተኣማመነካ ኣምላኸይን” ኢኻ እብሎ። ካብ ዘደንግፅ ነገርውን የድሕነካ፤ ሓቂ ኸም ዋልታ ክኸበካ እዩ። ብመዓልቲ ኻብ ዝውርወር ፍላፃ፥ ካብ ሓደጋን ካብ ጋኔን ቀትርን ኣይትፈርሕን። ናባኻ ግና ኣይቐርብን እዩ። ፍዳ ሓጢኣትውን ክትርኢ ኢኻ። ንልዑልውን መፀግዒኻ ገበርካዮ፤ መቕሰፍቲ እውን ናብ ገዛኻ ኣይኣቱን። እግዚኣብሄር ንመላእኽቱ ምእንታኻ ኽእዝዞም እዩ እሞ። በእዳዎም ከልዕሉኻ እዮም። ሽደን ኣንበሳን ገበልንውን ክትረግፅ ኢኻ። ስመይ ፈሊጡ እዩ እሞ ኽኽውሎ እየ። ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ። ምድሓነይውን ከርእዮ እየ። ኦ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ንስምካ ዝማሬ ምቕራብ ሰናይ እዩ። ብለይቲውን ተኣማንነትካ ምንጋር ሰናይ እዩ። ንኣኻ ምምስጋን ሰናይ እዩ። ብተግባር ኣእዳውካውን እሕጐስ። ሓሳብካውን የመና ዓሚቝ እዩ! ልቢ ዘይብሉውን ነዙይ ኣየስተውዕሎን እዩ። ንዘለኣለም ምእንቲ ኽጠፍኡ እዩ። ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዑል ኢኻ። ኵሎም ገበርቲ ዓመፅውን ክብተኑ እዮም እሞ። ብሓድሽ ዘይቲውን ክቕባእ እየ። እዝነይውን ኣብ ልዕለይ ብዝተልዓሉ ኽፉኣት ክትሰምዕ እያ። ከም ዝግባ ሊባኖስውን ይዓቢ። ኣብ ውሽጢ ዓፀድ ኣምላኽናውን ይበቝሉ። ሕጉሳት ኮይኖምውን ይነብሩ፤ ኣብኡውን ዓመፅ የለን።” ንዓለም ከይትናወፅ ኣፅንዓ። ንስኻውን ካብ ዘለኣለም ኢኻ። ወሓይዝ ህማሞም ኣልዓሉ። እግዚኣብሄር ብልዕልናኡ ዘደንቕ እዩ። ኦ ጐይታ፥ ንነዊሕ ዘመን ንቤትካ ቕድስና ይግባእ። ናይ በቐል ኣምላኽ ተገለፀ። ንዕቡያት ፍዳኦም ፍደዮም። ክሳዕ መኣዝከ እዮም ሓጢኣተኛታት ዝዕበዩ? ኵሎም ገበርቲ ዓመፅ ይዘሃሩ ኣለዉ። ንርስትኻውን ኣጨነቑ። ንስደተኛውን ቀተሉ። ኣምላኽ ያእቆብውን ኣየስተብህልን እዩ” በሉ። ሰነፋትከ መኣዝ ይልብሙ? እቲ ዓይኒ ዝፈጠረኸ ኣይርእንዶ? ንሰብ ጥበብ ዝምህርከ ንሱ ኣይግስፅንዶ? ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ዝገሰፅካዮ ሕግኻውን ዝመሃርካዮ ምስጉን እዩ። ንርስቱውን ኣይሓድጎምን። ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ክኽተልዎ እዮም። ምእንቲ ዓመፀኛታትከ ዝቃወመኒ መን እዩ? ነፍሰይ ንቑሩብ ጊዜ ኣብ ሲኦል ምሓደረት ነይራ። ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ረድአኒ። ምፅንናዕኻ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ። ዙፋን ዓመፅዶ ምሳኻ ኽሓብር ይኽእል እዩ? ብንፁህ ደምውን ይፈርዱ። ኣምላኸይ ድማ፥ ናይ ተስፋይ ረዳኢ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ፈፂሙ ኸጥፍኦም እዩ። ንኣምላኽናን፥ ንመድሓኒናን ዕልል ንበል። ብመዝሙር ንእኡ ዕልል ንበል። ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ። ነዋሕቲ እምባታትውን ናቱ እዮም። ንንቑፅ ምድሪ እውን ኣእዳዉ ሰርሖ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈጣሪና ንምበርከኽ። ናይ ኣእዳዉ ኣባጊዕ ኢናሞ። ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ። ፈተኑኒ፤ ስራሐይውን ረአዩ። ንሳቶም መንገደይ ኣይፈለጡን” በልኩ። ብቝጥዓይ መሓልኩ።” ኵልኻትኩም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ። መዓልቲ መዓልቲ እውን ምድሓኑ ተናገሩ። ተኣምራቱውን ንዅሎም ወገናት ንገሩ። ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ድማ ዝፍራሕ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ። ቅድስናን ግርማን ኣብ ውሽጢ መቕደሱ እዮም። ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ። መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ ኣደባባያቱ እተዉ። ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ትንቀጥቀጥ። ንኣህዛብ ከዓ ብቕንዕና ይፈርድ። ባሕርን ምልኣታን ትናወፅ። ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ። ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ። ብዙሓት ደሴታት ደስ ይበሎም። ፅድቅን ፍትሕን ናይ ዙፋኑ መሰረት እዮም። ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ፀላእቱ የንድዶም። ምድሪ ሪኣ ተንቀጥቀጠት። ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዅሉ ምድሪ እውን ከም ሽምዒ መኸኹ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኽብሩ ረአዩ። ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ። ኣጓላት ይሁዳውን ደስ በለን። ካብ ኵሎም ኣማልኽቲውን የመና ልዕል ልዕል በልካ። ካብ ኢድ ሓጥኣንውን የድሕኖም። ደስታ ኸዓ ንቕኑዓት ልቢ ወፀ። ንቕድስናኡ መዘከርታውን ኣመስግኑ። የማናይ ኢዱን፥ ቅዱስ ቅልፅሙንውን ንእኡ ምድሓን ገበረ። ፅድቁ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለፀ። ኵሎም ኣብ ወሰናት ምድሪ ዘለዉ፥ ምድሓን ኣምላኽና ረአዩ። ኣመስግኑ፥ ደስ ይበልኩም ዘምሩውን። ብመሰንቆን ብድምፂ በገናን ዘምሩሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ እግዚኣብሄር ዕልል በሉ። ዓለምን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን ይናወፁ። እምባታትውን ደስ ይበሎም፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐመጠ፤ ምድሪ ትናወፅ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዕል ልዕል በለ። ግሩምን ቅዱስን እዩሞ፥ ኵሎም ነቲ ዓብዪ ስምካ የመስግንዎ። ንስኻ ፍትሕን ፅድቅን ንያእቆብ ገበርካ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ ኣብ መርገፂ እግሩ ስገዱ። ንሱውን መለሰሎም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ዝሃቦም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓለዉ። ንዅሉ ኽፉእ ስራሖም ግና ሕነ ፈደኻዮም። ኣብ ቅዱስ እምባኡ ስገዱ። ምስላታት ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፦ ናይ ፍልጠት ቃላት ንምስትውዓል፥ ፍትሕን ቅንዕናን ንምቕባል፥ ንመንእሰያት ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ዝህብ እዩ። ለባም ከዓ ፅቡቕ ምኽሪ የጥሪ። ከስተውዕልዎ ይኽእሉ። ሰነፋት ግና ንጥበብን ንተግሳፅን ይንዕቕዎ። ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። ንኽሳድካ ኸዓ ድሪ እዩ። ሕራይ ኣይትበሎም። መፃወድያ ነፃውደሉ እንተ በሉ፥ ከም ሲኦል ኴንና ንውሓጦም፤ ነአባይትና ኸዓ በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና፥ ሓደ ይኹን እንተ በሉኻ” ካብኣቶም ረሓቕ፤ ቅልጡፋት እየን። መፈንጠር ብኸንቱ ኣይፃወድን እዩሞ። ኣብ ልዕሊ ነፍሶምውን የሻርዉ። ንነፍሲ ዋናኡ የጥፍኣ። ኣብ ኣደባባያት ድምፃ ዓው ኣቢላ ተስምዕ። ኣብ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ኸዓ ቓላ ተስምዕ፤ ሰነፋትከ ኽሳዕ መኣዝ እዮም ፍልጠት ዝፀልኡ?” ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ። ኢደይ ዘርጊሐውን ዘስተብሃለ ስለ ዘየለ፥ ንተግሳፀይ ኣይተቐበልኩምዎን። ብመከራኹም ክስሕቕን ከባጭወልኩምን እየ። ግና ኣይትረኽቡንን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረፅኩም፥ ንተግሳፀይውን ስለ ዝነዓቕኩምዎ፥ ካብ ምኽርኹምውን ክትፀግቡ ኢኹም። እቲ ሸለልትነቶም ከጥፍኦም እዩ። ብዘይ ስግኣት ክነብር እዩ። ንትእዛዛተይ ከዓ ተጠንቂቕካ እንተ ሓዝካየን፥ ልብኻ ናብ ምስትውዓል እንተ መለስካ፥ ምስትውዓልውን ክወሃበካ እንተ ተማህለልካ፥ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካውን እንተ ኣሊሽካያ፥ ንፍልጠት ኣምላኽ ከዓ ኽትረኽቦ ኢኻ። ጥበብ ዝህብ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልንውን ካብ ኣፉ ይወፅእ። ብዘይ ነውሪ ንዝኸዱ ኸዓ ዋልታኦም ይኸውን። መንገዲ ቕዱሳንውን የፅንዕ። ሽዑ ፅድቅን ፍርድን ቅንዕናን ኵሉ ሰናይ መንገድን ክትፈልጥ ኢኻ። ፍልጠትካውን ንነፍስኻ ኽተሐጕሳ እያ። ምስትውዓል ድማ ኸተዕቝበካ እያ። ካብቶም ቀይናን ዝዛረቡ ሰባት ድማ ኽተናግፈካ እያ። ብመንገዲ ፀልማት ይኸዱ፤ ብቐይናን ነገርውን ደስ ይብሎም፤ ኣካይዳኦም ድማ ዘቐይንኑ እዮም። ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራን ከተናግፈካ እያ። መንገዳ ኸዓ ናብ ምዉታት ዘውርድ እዩ። ንመንገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም። ንመንገዲ ፃድቃንውን ሓልዋ። እቶም ፍፁማት ከዓ ኣብኣ እዮም ዝተርፉ። ዓመፀኛታትውን ካብኣ ይንቀሉ። ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሓልዎ። በረኸትን ሰላምን ከዓ ኸብዝሐልካ እዩ። ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፈን። ሞገስን ፅቡቕ ስምን ክትረክብ ኢኻ። ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ። ካብ ክፉእ ከዓ ረሓቕ። ነዕፅምትኻ ድማ ፀገን ክኾነካ እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ፤ መፅመቚኻ ድማ ብዀልዒ ወይኒ ቕፅፅ ክብል እዩ። ተግሳፅ እግዚኣብሄር ድማ ኣይትንዓቕ። ምስትውዓልውን ዘጥሪ ሰብ ብፁእ እዩ። ብኣኣ ምንጋድ ይበልፅ። ክቡር ዝኾነ ዅሉ እኳ ኣይመዓራረያን። ኣብ ፀጋማ ኸዓ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ። ኵሉ ጐደናኣውን ሰላም እዩ። ኵሉ ዝምርኰሳውን ብፁእ እዩ። ንሰማያት ከዓ ብምስትውዓል ኣፅንዖም። ደመናትውን ኣውሊ የንጠብጥቡ። ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሓዘን። ንኽሳድካ ኸዓ ሞገስ ክኾናኻ እየን። እግርኻውን ኣይዕንቀፍን እዩ። ክትድቅስ ኢኻ፥ ድቃስካውን ጥዑም ክኸውን እዩ። በቲ ንሓጥኣን ዝመፆም ጥፍኣትውን ኣይትሽበርን፤ ብመፈንጠር ክትተሓዝ ከዓ ኣይሓድገካን እዩሞ። ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ነገር ኣይትኽልኣዮ። ንብፃይካ “ኪድ ፅባሕ ተመለስ፤ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ። ኣይትተናዀሎ። ብኸምኡ ኣይትፃላእ። ኵሉ መንገዱውን ኣይትምረፅ። ፍቕሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ። ንመሕደሪ ፃድቃን ግና ይባርኻ። ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም። ሰነፋት ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ። ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ ኸዓ ፅን በሉ። ንሕገይ ኣይትሕደግዎ። ብእነይውን እፍቶ ነበርኩ፤ ትእዛዘይውን ሓሉ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ። ካብኡውን ኣይተዘምብል። ንስኻ ኣፍቅራ፤ ንሳውን ክተዕቝበካ እያ። ካብ ኵሉ ሃብትኻውን ንምስትውዓል ኣጥርያ። እንተ ሓቝፍካያ ኸተኽብረካ እያ። ዝፀበቐ ኣኽሊልውን ክትህበካ እያ። ዓመታት ዕድሜኻውን ክነውሕ እዩ። ብመንገዲ ቕንዕና መራሕኹኻ። ክትጐዪ እንተለኻውን ኣይትዕንቀፍን ኢኻ። ኣይትሕደጋ፤ ሓልዋውን። ብጐደና ኽፉኣትውን ኣይትኺድ። ኣግሊስካ መንገድኻ ኺድ። እንተ ዘይጐድኡውን ድቃስ ይኣብዮም እዩሞ። ወይኒ ዓመፃ ኸዓ ይሰትዩ እዮም እሞ። ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ። እንታይ ከም ዘዕንቅፎምውን ኣይፈልጡን። እዝንኻውን ናብ ቃለይ ኣዘንብል። ኣብ ውሽጢ ልብኻ ድማ ሓልዋ። ንዅሉ ስጋኦምውን ፈውሲ እያሞ። ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ። ንሓሰውቲ ኸናፍርውን ካባኻ ኣርሕቀን። ቀራንብትኻውን ንቕድሚት ይጠምታ። ኵሉ ኣካይዳኻውን ይፅናዕ። ንእግርኻውን ካብ ክፉእ ኣርሕቆ። እዝንኻውን ናብ ትምህርተይ ምለስ። ኣፋውን ካብ ዘይቲ ይልስልስ። ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሰይፊ ኸዓ በሊሕ እዩ። ስጕምታ ኸዓ ናብ ሲኦል የውርድ። በካይዳኣውን ኰብላሊት እያ፤ ዝፍለጥውን ኣይኮነን። ካብ ቃላት ኣፈይውን ኣይትርሓቑ። ናብ ኣፍ ደገኣ ኣይትቕረብ። ዕድሜኻውን ንጨካን ከይትህብ። ፍረ ድኻምካውን ናብ ቤት ካልኦት ከይሓልፍ። ክትናሳሕ ኢኻ። ስለ ምንታይከ ነቶም ዝኣረሙኒ ዝነዓቕክዎም? ስለ ምንታይከ ዘየድሃብኩሎም? ናብ ኵሉ ኽፉእ ንምብፃሕ ቁሩብ ተሪፉኒ” ኽትብል ኢኻ። ካብቲ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይካ ኸዓ ስተ። ሩባታትካ ናብ ኣደባባይዶ ይፈስስ እዩ? ጓኖትውን ኣይካፈሉኻ። ምስ ሰበይቲ ንእስነትካውን ደስ ይበልካ። ብፍቕራውን ኵልሻዕ ፅገብ። ንምንታይከ ሰበይቲ እማትካ እትሓቍፍ? ነካይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ። ብገመድ ሓጢኣቱ ኸዓ ይእሰር። ብብዝሒ ድንቍርናኡ ድማ ይጋገ። ስለ ጓና ኸዓ ኢድ እንተ ጠቓዕኻ፥ ብቓል ኣፍካ ተፈንጠርካ። ኪድሞ ቐልጢፍካ ንጐረቤትካ ኣትክሮ፤ ንቕርንብካ ትኽስታ ኣይትሃብ፤ ንርእስኻ ኣድሕን። መንገዱ ተመልኪትካውን ጠቢብ ኩን። ወይ ገዛኢ እንተይሃለዎ፥ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ። መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትስእ? ክትድቅስውን ኢድካ ተመሳቕል ኣለኻ። ስእነት ድማ ኣፅዋር ከም ዝተዓጠቐ ሽፍታ ኾይኑ ይመፀካ ኣሎ። ብቐይናን ኣፍ ይመላለስ። በፃብዕቱ የመልክት። ክፋእ ይፍሕስ፤ ፅልኢ ድማ ይዘርእ። ፈውሲውን ከቶ የብሉን። ነታ ሻውዐይቲ ግና ነፍሱ ኣጥቢቓ ትፅየፋ፤ ንፁህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው፥ ክፉእ ንምግባር ዝቕልጥፋ ኣእጋር፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዘሳውር ሰብ” እየን። ንሕጊ ወላዲትካ ኸዓ ኣይትሕደግ። ኣብ ክሳድካ እሰሮ። ምስ ነቓሕኻውን የነጋግረካ። ተግሳፅ ትምህርቲ ድማ መንገዲ ህይወት እዩሞ። ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኸናግፈካ እዩ። ቈላሕታኣውን ኣይማርኽካ። ዘማዊት ሰበይቲውን ንህይወት ሰብ ተፃውድ። ክዳኑ ዘይቃፀልከ መን እዩ? ኣእጋሩ ዘይቃፀልከ መን እዩ? ኵሉ ዝነኽኣውን እንተይተቐፅዐ ኸቶ ኣይተርፍን። ሰባት ኣይንዕቕዎን እዮም። ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይፈዲ። ከምኡ ዝገብርውን ንህይወቱ እዩ ዘጥፍኣ። ውርደቱውን ከቶ ኣይድምሰስን። ሕነ ኽፈዲ እንተሎ ኣየናሕስን እዩ። ኣብዚሕኻ ውህብቶ እንተ ኣቕረብካሉኳ፥ ኣይዕረቕን። ንትእዛዛተይውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ። ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ። ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፎ። ንምስትውዓልውን “እምንቲ ፈታዊተይ ኢኺ” በላ። ካብታ መስሓቲ ቓል እትዛረብ ካልእ ሰበይቲ ኸናግፋኻ እየን። ብዓይኒ ርግቢ ኣማዕዱ ነበርኩ። ኣብ ማእኸሎም ከዓ ሓደ ልቢ ዘይብሉ ጐበዝ ተመልከትኩ። ናብታ ናብ ቤት ኣመንዝራ እትወስድ መንገዲ ኣምርሐ። ድቕድቕ ፀልማትውን ነበረ። ነፍሳት ንምፅዋድ ዝተዳለወት ሰበይቲ ተራኸበቶ። ኣእጋራውን ኣብ ገዛኣ ኣይዓርፋን ነበራ። ሓደ ጊዜ ኸዓ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣድብያ ትፅበ። ብዘይ ምሕፋር ገፁ እናጠመተት ከዓ፦ ሎሚ መብፅዓይ ፈፂመ ኣለኹ። እንሆ ኸዓ ረኸብኩኻ። ዝንጕርጕር ምንፃፍ ኣንፂፈ ኣለኹ። ቀረፋን ነፂገሉ ኣለኹ። ብምትሕቝቛፍውን ንተሓጐስ። ኣብ ገዛ የለን። ወርሒ ምሉእ ምስ ኮነት እዩ ዝምለስ በለቶ። ብልዙብ ከናፍራውን ኣታለለቶ። ሽዑ ንሽዑ ሰዓባ። ናብ ዘረባይ ድማ ኣቕልቡ። ብመንገዳውን ኣይትስሓት። ዝቐተለቶምውን የመና ብዙሓት እዮም። ናብ ውሻጠ ሞትውን ዘውርድ እዩ። ፍልጠትከ ድምፃዶ ኣይተስምዕን? ኣብ ቀራናታት መንገዲ ደው ኢላ፥ ኣብ ኣፍ በርታት ኮይና ድምፂ ተስምዕ ኣላ፦ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘለኹ። ኣቱም ሰነፋትውን ኣስተውዕሉ። ከናፍረይውን ቅኑዕ ነገር ንምንጋር ክኸፍት እየ። ከናፍረይውን ንኽፍኣት ይፅየፋ። ቀይናናት ወይ ጥውይዋያት ኣይኮናን። ፍልጠት ምስ ዝረኸቡ ሰባትውን ዝሰማምዓ እየን። ንፍልጠተይውን ካብ ፅሩይ ወርቂ ምረፅዎ። ክቡር ዝኾነ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ። ፍልጠትን ምስትውዓልንውን ረኺበ ኣለኹ። ክፉእ ኣካይዳን ዘረባ ሓሰትን እፀልእ እየ። ምስትውዓል ኣነ እየ፤ ሓይልውን ኣለኒ። መሳፍንቲ ብኣይ ቅኑዕ ሕጊ ይሕግጉ። ፈረድቲ ምድሪ እውን ብኣይ ይገዝኡ። እቶም ተጊሆም ዝደልዩኒ ኸዓ ይረኽቡኒ። ነባሪ ጥሪትን በረኸትን ኣባይ ኣሎ። ረብሓይ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልፅ። ብማእኸል ጐዳና ፍትሒውን እመላለስ። ቤት መዝገቦምውን እመልእ። ምድሪ እንተይተፈጥረት ነበርኩ። ዓይኒ ማያት እንተይወሓዘ፥ ኣነ ነበርኩ። ቅድሚ ዀረብታታት ኣነ ነበርኩ። ነቲ መጀመርታ መሬትን እንተይፈጠሮ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ ባሕርታት ክዝርግሖ እንተሎ፥ ንዓይኒ ባሕሪ ክኸፍቶ እንተሎ፥ ንመሰረታት ምድሪ ኸቕውም እንተሎ፥ ኣብኡ ነበርኩ። ኵልሻዕ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ። ደስታይ ከዓ ብደቂ ሰብ ነበረ። መንገደይ ዝሕልዉ ብፁኣን እዮም እሞ ስምዑኒ። ለባማት ኩኑ፤ ሸለልውን ኣይትበልዎ። ንኣይ ዝሰምዕ ሰብ ብፁእ እዩ፤ ካብ እግዚኣብሄር ድማ ሞገስ ይረክብ። ኵሎም እቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ሞት ይፈትዉ። ሸውዓተ ኣዕማድውን ኣቖመትሉ። ወይና ፀመቘት፤ ማእዳውን ኣሰናደወት። ከምዙይ ኢላ ድማ ፀውዐት፦ ኣእምሮ ንዝጐደሎም ከምዙይ በለት፦ ዝፀመቝኩዎ ወይነይ ስተዩ። ብመንገዲ ምስትውዓል ድማ ተመላለሱ። ንኽፉእ ዝግስፅ ከዓ ውርደት ይመፆ። ንለባም ገስፆ፥ ክፈትወካ እዩ። ንፃድቕ መሃሮ፤ ፍልጠት ክውስኽ እዩ። ነቲ ቕዱስ ምፍላጥውን ምስትውዓል እዩ። ዓመታት ዕድሜኻውን ክውሰኻልካ እየን። መላገፂ እንተ ዄንካ፥ በይንኻ ኢኻ እትሽከሞ። ሓሳብ የብላን፥ ሓደኳ ዘይትፈልጥ እያ፤ ኣብ መንበር ትቕመጥ። ከምዙይ ኢላ ትፅውዖም፦ ነቲ ኣእምሮ ዘይብሉ ድማ፦ ዝተሓብአ እንጀራውን ደስ የብል እዩ” ትብሎ። ዕዱማታውን ኣብ መዓሙቕ ሲኦል ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እዩ። ዓሻ ወዲ ግና መጕሃዪ እኖኡ እዩ። ፅድቂ ግና ኻብ ሞት የናግፍ። ንትምኒት ክፉኣት ግና የንኰላልፎ። ኢድ ትጉህ ግና ሃብታም ትገብር። እቲ ኣብ እዋን ቀውዒ ዝድቅስ ግና ንባዕሉ የዋርድ። ንኣፍ ሓጥኣን ግና ግፍዒ ይኸድኖ። ስም ሓጥኣን ግና ይጠፍእ። ብኸንፈሩ ዝሰንፍ ግና ይወድቕ። ጠዋይ ኣካይዳ ዝኸይድ ግና ይፍለጥ። ብሓቂ ዝግስፅ ግና ሰላም የምፅእ። ንኣፍ ሓጥእ ግና ግፍዒ ይኸድኖ። ፍቕሪ ግና ንዅሉ በደል ትኽውሎ። ሓለንጊ ግና ኣብ ዝባን ዓሻ እዩ። ኣፍ ሰነፍ ግና ናብ ጥፍኣት ይቐርብ። ጥፍኣት ድኻታት ግና ድኽነቶም እዩ። ፍረ ሓጥኣን ግና ንሓጢኣት እዩ። ተግሳፅ ዝኣቢ ግና ይስሕት። ሓሜት ዝዝርግሕ ከዓ ዓሻ እዩ። ከንፈሩ ዝገትእ ግና መስተውዓሊ እዩ። ልቢ ሓጥኣን ግና ፍረ የብሉን። ዓያሹ ግና ሰኣን ፍልጠት ይሞቱ። ሓዘንውን ምስኣ ኣይውሰኽን። ጥበብ ከዓ ንለባም ከምኡ እያ። ንፃድቃን ግና ዝተመነይዎ ይወሃቦም። ፃድቕ ግና ናይ ዘለኣለም መሰረት እዩ። ሃካይ ንለኣኺኡ ኸምኡ እዩ። ዘመን ሓጥኣን ግና ትሓፅር። ተስፋ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ። ንገበርቲ ኽፉእ ግና መጥፍኢ እዩ። ክፉኣት ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም። ቀይናን መልሓስ ግና ትቝረፅ። ኣፍ ሓጥኣን ግና ቐይናን እዩ። ትኽክለኛ ሚዛን ግና የሐጕሶ። ኣብ ትሑታን ግና ጥበብ ትርከብ። ነቶም ወስላታታት ግና ኽፍኣቶም የጥፍኦም። ፅድቂ ግና ኻብ ሞት ተድሕን። ንሓጥእ ግና ሓጢኣቱ የውድቖ። ነቶም ወስላታታት ግና ኽፍኣቶም መፈንጠር ይኾኖም። እቲ ዝምክሐሉ ሓይሊ ድማ ኸንቱ ይኸውን። ሓጥእ ግና ኽንድኡ ይመፅእ። ፃድቕ ግና ብፍልጠት የምልጥ። ብጥፍኣት ሓጥኣን ኸዓ ዕልል ትብል። ብኣፍ ሓጥኣን ግና ትግልበጥ። ለባም ግና ስቕ እዩ ዝብል። ብመንፈስ እሙን ዝኾነ ግና ንነገር ይስውር። ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ድሕነት ይኸውን። ካብ ውሕስነት ዝጥንቀቕ ግና ብህድኣት ይነብር። ፃዕረኛታት ግና ሃብቲ ይረኽቡ። ጨካን ግና ንስጋኡ ይጐድእ። ፅድቂ ዝዘርእ ግና ረብሓ ኣለዎ። ክፍኣት ዝኽተል ግና ሞቱ የዳሉ። ብመንገዶም ፍፁማት ዝኾኑ ግና ዝተፈተዉ እዮም። ዘርኢ ፃድቃን ግና ይድሕን። ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ዝተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ። ትፅቢት ሓጥኣን ግና መቕሰፍቲ እዩ። ሓድሓደ ኸዓ ብዘይመጠን ይነፍጉ፤ የመናውን ይደኽዩ። እቲ ዘርዊ ኸዓ ንባዕሉ ይረዊ። በረኸት ግና ኣብ ርእሲ እቲ እኽሉ ዝሸይጥ እዩ። ነቲ ኽፉእ ዝደሊ ግና ኽፉእ ይረኽቦ። ፃድቃን ግና ኸም ቈፅሊ ይልምልሙ። ዓሻ ድማ ነቲ ጥበበኛ ሰብ ኣገልጋሊ ይኸውን። ንነፍሳት ዝእክብውን ንሱ ጠቢብ እዩ። ሓጥእን ዓማፅን ደኣ ኸመይ ክኾኑ እዮም? ተግሳፅ ዝፀልእ ግና ዓሻ እዩ። ንተንኰለኛ ግና ይቐስፎ። ሱር ፃድቃን ግና ነቕ ኣይብልን እዩ። ነውራም ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕፅምቱ ኸም ቍንቁነ እያ። ምኽሪ ሓጥኣን ግና ተንኰል እዩ። ኣፍ ቅኑዓት ግና የናግፎም። ቤት ፃድቃን ግና ፀኒዑ ይነብር። ቀይናን ዝልቡ ግና ይነዓቕ። እቲ ንባዕሉ ባርያ ኾይኑ ዝተጠቕዐ ሰብ ይሐይሽ። ልቢ ሓጥኣን ግና ጨካን እዩ። ንኸንቱ ነገር ዝጐዪ ግና ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ። ሱር ፃድቃን ግና ፍረ ይህብ። ፃድቕ ግና ኻብ መከራ የምልጥ። ሰብ ድማ ኸም ስራሕ ኢዱ ይፍደ። ለባም ግና ምኽሪ ይሰምዕ። ለባም ሰብ ግና ንነውሪ ይሓብእ። ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ የውሪ። መልሓስ ጠቢባን ግና ጥዒና እዩ። ሓሳዊት መልሓስ ግና ኸም ቅፅበት ዓይኒ እያ። እቶም ሰላም ዝመኽሩ ግና ደስታ ኣለዎም። ሓጥኣን ግና ኽፍኣት ዝተመልኡ እዮም። እቶም ሓቀኛታት ግና የሐጕስዎ። ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት የውሪ። ኢድ ሃካይ ግና ትግብር። ሰናይ ቃል ግና የሐጕሶ። ንሓጥኣን ግና መንገዶም የጋግዮም። ትግሃት ግና ንሰብ ዝኸበረ ሃብቲ እያ። ኣብ መንገዳውን ሞት የለን። መላገፂ ግና ተግሳፅ ኣይሰምዕን። ነፍሲ ዓመፀኛታት ግና ግፍዒ ትምገብ። ከንፈሩ ዝኸፍት ግና፥ ጥፍኣት ይረኽቦ። ነፍሲ ትጉሃት ግና የመና ትፀግብ። ሓጥእ ግና የሕፍርን የነውርን። ሓጢኣት ግና ንሓጥእ የውድቖ። ግና የመና ሃብቲ ኣለዎ። ድኻ ግና ዘስግኦ የብሉን። መብራህቲ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ። ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዝቕበሉ እያ። ብፃዕሪ ዝተረኽበ ገንዘብ ግና እናበዝሐ ይኸይድ። ዝተፈፀመ ትምኒት ግና ኦም ህይወት እዩ። ትእዛዝ ዝፈርሕ ግና ብዳሓን ይነብር። ትምህርቲ ጠቢብ ፍልፍል ህይወት እያ። መንገዲ ዓመፀኛታት ግና ሓርፋፍ እዩ። ዓሻ ግና ዕሽነቱ ይገልፅ። እሙን ልኡኽ ግና ፈውሲ እዩ። ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይኸብር። ንዓያሹ ግና ኻብ ክፉእ ምርሓቕ ርኽሰቶም እዩ። ምስ ዓያሹ ዝተዓራረኽ ግና መከራ ይቕበል። ፃድቃን ግና ሰናይ ዓስቢ ይቕበሉ። ሃብቲ ሓጥእ ግና ንፃድቕ ይዕቈረሉ። ግና ኻብ ምጕዳል ፍርዲ ዝተልዓለ ይጠፍእ። እቲ ንውሉዱ ዘፍቅሮ ግና ተጠንቂቑ ይቐፅዖ። ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ። ዓሻ ግና በገዛ ኢዳ ተፍርሶ። መንገዲ ዘቐይንን ግና ይንዕቖ። ለባማት ግና ብኸንፈሮም ይሕለዉ። ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ። ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሰት እዩ ዝዛረብ። ንለባም ግና ፍልጠት ምርካብ ኣየሸግሮን። ካብኡ ኸንፈር ፍልጠት ኣይትረክብን ኢኻ። ናይ ዓሻ ዕሽነት ግና፥ ጥበራ እዩ። ኣብ ማእኸል ቅኑዓት ግና ሕያዋይነት ኣሎ። ኣብ ሓጐሱ ኸዓ ኻልእ ኣይሕወስን። ድንኳን መወዳእታኣ ግና መንገዲ ሞት እዩ። መወዳእታ ሓጐስ ከዓ ሓዘን እዩ። ፃድቕ ሰብ ግና ኻብ ባዕሉ እዩ። ለባም ግና ነካይዳኡ ይጥንቀቕ። ሰነፍ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ። መስተውዓሊ ግና ይዕገስ። ለባማት ግና ዘውዲ ፍልጠት ይደፍኡ። ሓጥኣን ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ፃድቃን ይንብርከኹ። ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም። ዝርህርሀሉ ግና ቡሩኽ እዩ። ክፉእ ዝሓስቡ ይጋገዩ፤ ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዝሓስቡ እየን። ብዙሕ ዘረባ ዝዛረባ ኸናፍር ግና ናብ ስእነት የብፅሓ። ዕሽነት እቶም ዓያሹ ግና ዅልሻዕ ዕሽነት እዩ። ሓሳዊ ምስክር ግና ጠባሪ እዩ። ንደቁውን መዕቘቢ ይረክብ። ንሰብ ከዓ ኻብ መፃወዲያ ሞት የድሕኖ። ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት ገዛኢ እዩ። ቍጡዕ ግና ንዕሽነቱ ይገልፃ። ቅንኢ ግና፥ ቍንቍነ ኣዕፅምቲ እዩ። ንስኡን ዝርህርህ ግና ንፈጣሪኡ የኽብር። ፃድቕ ግና እንተ ሞተ እኳ መዕቘቢ ኣለዎ። ኣብ ልቢ ዓያሹ ግና ኣይትፍለጥን። ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝቢ እዩ። ነውሪ ኣብ ልዕሊ ዝገብር ሓሽከር ግና ቝጥዓ ንጉስ ይወርድ። ተሪር ቃል ግና ንቝጥዓ የለዓዕሎ። ኣንደበት ዓያሹ ግና ዕሽነት የፈልፍል። ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ከዓ ይምልከታ። ቀይናን ኣንደበት ግና መንፈስ ትሰብር። ዘለፋ ዝቕበል ግና፥ በዓል ኣእምሮ እዩ። መዝገብ ሓጥእ ግና ህውከት እዩ። ልቢ ዓያሹ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን። ፀሎት ቅኑዓት ግና ብኡኡ ዝተፈተወ እዩ። ፅድቂ ንዝስዕብ ግና የፍቅሮ። ተግሳፅ ዝፀልእውን ይመውት። ብሕልፊ እኳ ልቢ ሰባት ዝተፈለጠ እዩ። ናብ ጠቢባንውን ኣይኸይድን። ናይ ልቢ ሓዘን ግና መንፈስ ይሰብር። ኣፍ ዓያሹ ግና ኣብ ስንፍና ይዋፈር። ሓጐስ ልቢ ግና ዅልሻዕ ደስ ዘብል ማእዲ እዩ። ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኻ ውሑድ ሃብቲ ይሐይሽ። ምስ ፍቕሪ ሓምሊ ምብላዕ ይሐይሽ። ትዕግስተኛ ሰብ ግና ባእሲ የህድእ። መንገዲ ፃድቃን ግና ዝተደላደለት ጐደና እያ። ሰነፍ ውሉድ ግና ንወላዲቱ ይንዕቓ። ለባም ግና ኣካይዳኡ የቕንዕ። ብዙሓት መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ ግና ይሳለጥ። ክንደይ ፅቡቕ እዩ! መንገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ። ንደረት ምድሪ መበለት ግና የፅንዖ። ልዙብ ቃላት ኣብ ቅድሚኡ ንፁህ እዩ። እቲ ጉቦ ዘይቕበል ግና ብህይወት ይነብር። ኣፍ ሓጥኣን ግና ኽፍኣት የፈልፍል። ንፀሎት ፃድቃን ግና ይሰምዖ። ፅቡቕ ወረ ምስማዕ ከዓ ነዕፅምቲ የለምልም። ኣብ ማእኸል ጠቢባን ትነብር። ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይልብም። ንኽብረት ከዓ ትሕትና ትቕድማ። መልሓስ እትምልሶ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ። መንፈስ ዝምዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ። ትልምኻውን ክሰልጠልካ እዩ። ንሓጥኣን ድማ ንመዓልቲ ኽፍኣት ኣዳለዎም። ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን። ሰብውን ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ካብ ክፍኣት ይርሕቕ። ኣብ ማእኸሉን ኣብ ማኸል ፀላእቱን ሰላም ይገብር። እቲ ብፅድቂ ዝርከብ ውሑድ እቶት ይሐይሽ። ነካይዳኡ ዘቃንዐሉ ግና እግዚኣብሄር እዩ። ኣፉውን ብፍርዲ ኣይጋገን። ናይ ኵሉ ኸረጢት መምዘኒ ኸዓ ስራሑ እዮም። ግፍዒ ምስራሕ ብነገስታት ፅሉእ እዩ። ነቲ ቕንዕና ዝዛረብውን ይፈትዉዎ። ለባም ግና የህድኦ። ሞገሱ ኸዓ ኸም ደመና ፅብሓት እዩ። ክንደይኮን ምጥራይ ፍልጠት ይኸብር! እቲ ንመንገዱ ዝጥንቀቕ ድማ ንነፍሱ ይሕልዋ። ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ። ብትሑት መንፈስ ምስቶም ድኻታት ምዃን ይሐይሽ። ብእግዚኣብሄር ዝእመን ከዓ ብፁእ እዩ። ብኸንፈሩውን ጥዑም ትምህርቲ የብዝሕ። ስንፍና ግና ነቶም ሰነፋት መቕፃዕቶም እያ። ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኽ። ንነፍስኻ ጥዑም፥ ነዕፅምትኻ ኸዓ ፈውሲ እዩ። መወዳእታኣ ግና መንገዲ ሞት እዩ። ጥምየትውን ይደፋፍኦ። ኣብ ከንፈሩውን ዝነድድ ሓዊ ኣሎ። ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም። ሰናይ ናብ ዘይኮነት መንገዲ ኸዓ ይመርሖ። ከናፍሩ ዝነክስ ከዓ ንኽፍኣት ይፍፅም። ብመንገዲ ፅድቂ ድማ ይርከብ። ካብቲ ንኸተማ ዝገዝእ ከዓ መንፈሱ ዝገዝእ ይበልፅ። ኵሉ መደባ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ንቑፅ ቝራስ ምስ ሰላም ይበልፅ። ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል። እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልቢ ይፍትኖ። ሓሳዊውን ነታ ኽፍእቲ መልሓስ የዳምፅ። ብጥፍኣት ዝሕጐስውን እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን። ንቘልዑ ኸዓ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም። ብሕልፊኳ ንበዓል ስልጣን ዘረባ ሓሰት ኣይግብኦን። ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ቦታውን ስራሑ ይቐንዖ። ነገር ዝደጋግም ግና ፅኑዕ ዕርክነት ይፈላሊ። ተግሳፅ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ። ጨካን መልእኽተኛ ይለኣኾ። ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽተጋጥመካ ይሐይሽ። ካብ ቤቱ መከራ ኣይርሕቕን። ስለዙይ ጐይቊ እንተይተባርዐ፥ ንስኻ ኻብ ነገር ረሓቕ። ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ፅሉኣት እዮም። ኣብ ኢድ ሰነፍ መዐደጊ ጥበብ ገንዘብ እንተ ሃለወ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ሓው ድማ ንእዋን መከራ እዩ ዝውለድ። ኣብ ቅድሚ ብፃዩውን ዋሕስ ይኸውን። ደገኡ ዘንውሕ ከዓ ውድቀት ይምነ። ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ሰብ ከዓ ኣብ መከራ ይወድቕ። ሰነፍ ውሉድ ዝወለደ ኣቦ፥ ይሓዝን። ሕዙን መንፈስ ግና ነዕፅምቲ የንቅፆ። ካብ ሕቝፊ ጉቦ ይቕበል። ዓይኒ ሰነፍ ግና ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ። ንኖኡ ድማ ምረት እዩ። ንፃድቕ ምቕፃዕ፥ ንኽቡራት ድማ ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ግቡእ ኣይኮነን። ህዱእ መንፈስ ዘለዎውን መስተውዓሊ እዩ። ከንፈሩ ዝቝልፍውን፥ በዓል ፍልጠት እዩ ይበሃል። ንዅሉ ሰናይ ጥበብውን ይቃወም። ክፈልጥ ኢሉ ኣይፅዕርን እዩ። ምስ ነውሪ እውን ፀርፊ ይመፅእ። ፍልፍል ጥበብ ድማ ወሓዚ ሩባ እዩ። ንሓጥእ ሰብ ምድጋፍ ግቡእ ኣይኮነን። ኣፉ ኸዓ ንበትሪ ትፅውዕ። ከናፍሩ ኸዓ ንነፍሱ መፃወድያ እየን። ንሱ ኽሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ድማ ይኣቱ። ብስራሕ ሃካይ ዝኾነ፥ ሓው በታኒ ገንዘብ እዩ። ፃድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ። ብሓሳቡ ኸዓ ኸም ልዕል ዝበለ ቕፅሪ እዩ። ትሕትና ድማ ንኽብረት ትቕድማ። ዕሽነትን ሕፍረትን ይኾኖ። ንዝተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል? እዝኒ ጠቢባን ከዓ ፍልጠት ትደሊ። ናብ ዓበይቲ ሰባት ከዓ የእትዎ። እቲ ኣቐዲሙ ዘስምዕ ሰብ፥ ሓቀኛ ይመስል። ኣብ ማእኸል ሓያላትውን ይብይን። ባእሱ ድማ ኸም መሀርሀሪ ዕርዲ እዩ። ብእቶት ከናፍሩ ድማ ይፀግብ። እቶም ዝፈትዉዋ ኸዓ ፍረኣ ኽበልዑ እዮም። ካብ እግዚኣብሄርውን ሞገስ ይቕበል። ሃብታም ግና ብትረት ይምልስ። ግና ኻብ ሓው በሊፁ ዝቐርብ ፈታዊውን ኣሎ። ብዘይ ነውሪ ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ። ቅልጡፍ እግሪ ኸዓ መንገዲ ይስሕት። ልቡ ኸዓ ኣብ እግዚኣብሄር የንፀርፅር። ንድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይርሕቖ። እቲ ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ኻብ መቕፃዕቲ ኣየምልጥን። ፈተውቱ ይኾኑ። ብቓላት ይስዕቦም፥ ግናኸ ኣይረብሕዎን። ንምስትውዓል ዝሕልዋ ኸዓ ሰናይ ይረክብ። ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ይጠፍእ። ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን። ምሕዳግ በደል ከዓ ኽቡር ይገብሮ። ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ። ዘንጥብ ናሕሲ እያ። ለባም ሰበይቲ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እያ። ነፍሲ ሃካይ ከዓ ትጠሚ። መንገዱ ሸለል ዝብል ከዓ ይመውት። በቲ ሰናይ ግብሩ ኽፈድዮ እዩ። ምሟቱውን ኣይትድለ። እንተናገፍካዮ ድማ መሊስካ ተግድዶ። ኣብ መወዳእታኻ ኸዓ ጥበበኛ ኽትከውን ኢኻ። ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ፀኒዑ ይነብር። ካብ ሓሳዊ ሃብታም ሓቀኛ ድኻ ይሐይሽ። ክፉእ ከዓ ኣይረኽቦን። ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን። ንመስተውዓሊ እንተ ገሰፅካዮ፥ ፍልጠት ይረክብ። መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ። ኣይትስምዓዮ። ኣፍ ሓጥእ ከዓ በደል ይውሕጥ። በትሪ ተዳልዩሎም ኣሎ። በዚኣተን ዝሰሓተ ጥበበኛ ኣይኸውንን። እቲ ዘቘጥዖ ሰብ ከዓ ንነፍሱ ይብድል። ዓሻ ግና ዘሊሉ ይኣትዎ። ኣብ ጊዜ ቐውዒ ድማ ይልምን፤ ግና ኣይረክብን። ኣእምሮ ዘለዎ ግና ይቐድሖ። ግና ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ! ብድሕሪኡ ኸዓ ደቁ ቡሩኻት እዮም። ክፍኣት ንዝኾነ ዅሉ በዒንቱ ይፈልዮ።” ነፂሐ እየ” ኽብል ዝኽእል መን እዩ? እዚኣተን ክልቲአን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርኹሳት እየን። ብዝገብሮ ስራሕ ይፍለጥ። ንኽልቲአን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እዩ። ዓይንኻ ኽፈት፤ ሽዑ እንጀራኻ ኽትፀግብ ኢኻ። መንገዱ ምስ ከደ ግና ይምካሕ። ፈላጣት ከናፍር ግና ኽቡራት ኣቑሑ እየን። ክንዲ እቲ ዘይፈልጦውን ንእኡ ዕገቶ። ደሓር ግና ኣፉ ፀፀር ይመልእ። ብጥበብ ተመሪሕኻውን ተዋጋእ። ከንፈሩ ምስ ዘሞጥሙጥ ሰብውን ኣይትራኸብ። ግብ ኣብ ዝበለ ፀልማት መብራህቱ ይጠፍእ። መወዳእታኡ ኣይባረኽን እዩ። ንሱ ኸዓ ኸድሕነካ እዩ። መታለሊ ሚዛን ከዓ ሰናይ ኣይኮነን። ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመንገዱ ዘስተውዕላ? ድሕሪ መብፅዓ እንተ ተናስሐ፥ እዙይ መፃወድያ እዩ። መንኰራዅሩውን ኣብ ልዕሊኣቶም የንኰርኵረሎም። ኣብ ውሽጢ ልቢ ንዘሎ ዅሉ ይምርምሮ። ዙፋኑ ድማ ብቕንዕና ትፀንዕ። ሲበት ድማ ንኣረጋውያን ሽልማቶም እዩ። መግረፍቲ ኸዓ ንውሽጢ ልቢ የፅርዮ። ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ። እግዚኣብሄር ግና፥ ንልቢ ይምዝን። ፅድቅን ቅንዕናን ምግባር ይፈቱ። ናይ ክፉኣት ግራት፥ ሓጢኣት እዩ። ታህዋኽ ግና ናብ ስእነት እዩ ዘውድቕ። ነዙይ ዝደልዩ፥ ንሞት ይደልዩ። ዓመፅ ሓጢኣተኛታት ንባዕላቶም የጥፍኦም። ንፁህ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ። ብፃዩውን ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ኣይረክብን። ለባም እንትግሰፅ ፍልጠት ይውስኽ። ንኽፉኣት ድማ የጥፍኦም። ንሱ ባዕሉ የእዊ፥ ዝሰምዖ ግና የለን። ሕቡእ ውህብቶውን ንብርቱዕ ቍጥዓ የዝሕሎ። ንገበርቲ ዓመፃ ግና ጥፍኣት እዩ። እቲ ኻብ ምስትውዓል መንገዲ ዘግልስ ሰብ፥ ኣብ ጉባኤ ምውታን ይቕመጥ። ወይንን ዘይትን ዝፈቱ ኸዓ ኣይህብትምን። ጠላሚ ድማ ቤዛ ቕኑዕ ሰብ እዩ። ኣብ በረኻ ምንባር ይሐይሽ። ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ። ህይወትን ፅድቅን ክብርን ይረክብ። ንዝተኣማመኑሉ ዕርዶምውን የፍርስ። ንሰብነቱ ኻብ መከራ ይሕልዋ። ንሱ ብትዕቢት ቍጥዓ ይገብር። ንሃካይ ትምኒቱ ትቐትሎ። ፃድቕ ግና ይህብ፤ ኣይስስዕንውን። ምናዳ ብኽፉእ ሓሳብ እንተቕርብዎ ኣፀያፊ እዩ። ዝሰምዕ ሰብ ግና ኣስተውዒሉ ይናገር። ቅኑዕ ሰብ ግና መንገዱ የፅንዕ። ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን። ዓወት ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ። ሞገስ ከዓ ኻብ ብሩርን ወርቅን ይበልፅ። ንዅላቶም ዝፈጠሮም እግዚኣብሄር እዩ። ገርህታት ግና ይሓልፉሞ ብእኡ ይጕድኡ። ሃብትን ክብርን ህይወትን እዩ። ነፍሱ ዝሕሉ ግና ኻብኡ ይርሕቕ። ምስ ዓበየውን፥ ካብኣ ኣየግልስን እዩ። ተላቃሒ ኸዓ፥ ባርያ መለቅሒ እዩ። በትሪ ቝጥዓኡ ድማ ይጠፍእ። ርህሩህ ዝተባረኸ ይኸውን። ባእስን ፀርፍን ከዓ ኽውዳእ እዩ። ንጉስ ፈታዊኡ ይኸውን። ንሱ ግና ንቓላት ጠለምቲ ይግልብጦ። መንገዲ ኽመውት እየ” ይብል። እግዚኣብሄር ዝተቘጥዖ ኸዓ ኣብኣ ይወድቕ። በትሪ መቕፃዕቲ ግና ኻብኡ የርሕቖ። ኣብ ድኽነት ይወድቕ። ልብኻውን ናብ ትምህርተይ ኣቕልብ፤ ሰናይ ነገር ክኾነልካ እዩ። እንሆ ሎሚ ኣነ ንኣኻ ኣፍልጠካ ኣለኹ። ዝኸበረ ነገርዶ ኣይፀሓፍኩልካን? ክምህራኻ እየን። ንፅጉም ድማ ኣብ በሪ ኣይትድፍኣዮ። ነቶም ዝገፈፍዎም ከዓ ህይወቶም ክገፎም እዩሞ። ምስ ቍጡዕ ኸዓ ኣይትኺድ። ንምንታይ መንፀፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዝውሰድ? ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ። ኣብ ቅድሚ ታሕተዎት ሰባት ኣይቐውምን። ኣፀቢቕካ ኣስተብህል፤ ኣብ ጐረሮኻ ኻራ ግበር። ንጥዑም ብልዒ ኣይትብሃጎ። ሃብታም ክኸውን እየ ኢልካ ኣይትድከም። ኣብ ልዕሊኡ ዓይንኻ እንተውደቕካሉ ይጠፍእ። ጣዕሚ ብልዑ ኸዓ ኣየብህግካ፤ ግና ልቡ ምሳኻ ኣይኮነን፤ ነቲ ፅቡቕ ዘረባኻውን ክተጥፍኦ ኢኻ። ቁም ነገር ዘለዎ ዘረባ ኣይትዛረብ። ናብ ግራት ደኽታማት ከዓ ኣይትእቶ። ባዕሉ ኽንዳኣቶም ክፋረደካ እዩ። እዝንኻ ኸዓ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ። ንቘልዓ ኻብ ምቕፃዕ ሸለል ኣይትበል። ንነፍሱውን ካብ ሲኦል ተድሕና። ልበይ ይሕጐስ፤ ኰላሊተይ ደስ ይብለን። ልብኻ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ። ተስፋኻ ድማ ኸንቱ ኣይኸውንን እዩ። ንልብኻ ኸዓ ብቕኑዕ መንገዲ ምርሓዮ። ኣብ ማእኸል ህሩፋት በላዕቲ ስጋን ኣይትቀመጥ። ንኖኻውን፥ ምስ ኣረገት ኣይትንዓቃ። ድማ ገንዘብካ ግበረን። ጥበበኛ ውሉድ ዝወለደ ኸዓ ብእኡ ደስ ይብሎ። እታ ንኣኻ ዝወለደት ድማ ደስ ይበላ። ኣዒንትኻ ድማ መንገደይ ይፍተዋ። ዘማዊት ሰበይቲ ድማ ፀባብ ጕድጓድ እያ፤ ወስላታታትውን ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ተብዝሕ። ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኽመርፁ ዝእከቡዶ ኣይኮነን! ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትመልከት። ከም ኣፍዑት ሕንዙ ይነፅግ። ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ። ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን። መኣዝ እየ ዝነቅሕ?” ክትብል ኢኻ። ምስኣቶምውን ክትነብር ኣይትድለ። ብምስትውዓል ከዓ ይፀንዕ። ውሻጠታት ይመልእ። ኣእምሮ ዘለዎ ኸዓ ሓይሉ የፅንዕ። ዓወት ከዓ ብዙሕ መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ እዩ። ኣብ ደገ ኸዓ ኣፉ ኣይኸፍትን። ክፉእ ክገብር ዝሓስብ ተንኰለኛ ይበሃል። ዘላግፅ ሰብ ከዓ ብሰብ ፍንፉን እዩ። ሓይልኻ ኽደክም እዩ። ናብ ማሕረዲ ዝውሰዱውን ኣናግፎም። ንነፍሲ ወከፍከ፥ ከከም ግብሩ ኣይፈድዮንዶ? ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ። ተስፋኻውን ኣይጠፍእን። ነታ መንበሪኡውን ኣይትሃውካ። ሓጢኣተኛታት ግና ኣብ መከራ ይወድቁ። ብምስንኻሉውን፥ ልብኻ ደስ ኣይበሎ፤ ቍጥዓኡውን ካብኡ ኸይመልስ። በቶም ዓመፀኛታትውን ኣይትቕናእ። መብራህቲ ሓጥኣንውን ክጠፍእ እዩ። ምስ ዓመፅትውን ኣይትፀመር። ካብ ክልቲኦም ንዝመፅእ ጥፍኣት መን ይፈልጦ? ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ኣህዛብውን ይፀልእዎ። ኣብ ልዕሊኣቶምውን በረኸትን ሰናይ ዕድልን ክወርድ እዩ። ቅኑዕ መልሲ ዝህብ ከም ምስዓም ከንፈር እዩ። ብድሕሪኡ ገዛኻ ስራሕ። ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠብሮ። ከም ግብሩውን ክፈድዮ እየ” ኣይትበል። ብግራት ሃካይ፥ ብናይቲ ዓሻ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ሓለፍኩ፤ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፥ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ ነበረ። ንእኡ ሪአውን ትምህርቲ ረኸብኩ፤ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝውዕልን ሰብ፥ ድንገት ይመፃኦ። ናይ ሰሎሞን ምስላታት እየን። ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ። ከምኡ ድማ ልቢ ነገስታት ክምርመር ኣይከኣልን። ንብሩር ካብ ዝዕገቱ ኣፅርዮ፥ ሽዑ ንኣንጠረኛ ኣቕሓ ይወፀሉ። ሽዑ ዙፋን ንጉስ ብፅድቂ ኽትፀንዕ እያ። ኣብ ስፍራ ዓበይቲ ኸዓ ኣይትቑም። “ናብዙይ ልዕል በል” ክትበሃል ይሕሸካ። ቀልጢፍካ ናብ ባእሲ ኣይትውፃእ። ምስጢር ካልእ ሰብ ግና ኣይተውፅእ። ስምካ ምስ ከፍአ ድማ ኽትልውጦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ፃሕሊ ብሩር እዩ። ከም ኵትሻ ወርቅን ከም ዘንፀባርቕ ዕንቍን እዩ። ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የዕርፋ እዩሞ። ከምቲ ዝናም ዘይብሉ ደመናን ንፋስን እዩ። ልዙብ መልሓስ ከዓ ኣዕፅምቲ ይሰብር። ዝኣኽለካ ብላዕ። እግርኻ ናብ ቤቱ ኣይተዘውትር። ከም መዶሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላፃን እዩ። ከም ዝሰለለ እግርን እዩ። ኣብ ቍስሉ መፂፅ ዘፍስሰሉን እዩ። እንተ ፀምአውን፥ ማይ ኣስትዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ኽፈድየካ እዩ። ሓማዪት ልሳን ድማ ገፅ ተፀውግ። ኣብ ዝባን ናሕሲ፥ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ። ከምኡ ኸዓ ኻብ ርሑቕ ሃገር ብስራት ዝረኸበ ሰብ ይሕጐስ። ከምቲ ዝተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዒላን እዩ። ክብሪ ርእስኻ ምድላይውን ክብሪ ኣየምፅእን። ከምታ ቕፅሪ ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ። ከምኡውን ንሰነፍ ኽብረት ኣይግብኦን። ከምኡ ኸዓ ምኽንያት ዘይብሉ መርገም ኣይበፅሕን። በትሪ ኸዓ ንዝባን ዓሻ እዩ። ንሰነፍ ከም ዕሽነቱ ኣይትመልሰሉ። ንዓሻ ኸም ስንፍናኡ መልሰሉ። ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርፅ፤ መከራውን ይሰቲ። ጠልጠል ከም ዝበለ እግሪ መፃጕዕ እዩ። ከምቲ ኣብ ወንጭፍ ዝኣሰርካዮ እምኒ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ሰካር ዝኣተወ እሾዅ እዩ። ከምቲ ንዝረኸቦ ዝወግእ ወርዋሪ ፍላፃ እዩ። ሰነፍ ከምኡ ንስንፍናኡ ይደጋግሞ። ካብኡ ንሰነፍ ተስፋ ኣለዎ። አረ ኣብ ኣደባባይውን ኣንበሳ ኣሎ” ይብል። ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራቱ ይገላበጥ። ናብ ኣፉ ምምላስ ግና ድኻም ይኾኖ። ኣእምሮ ዘለዎ ይመስሎ። ከምቲ ንጭራ ኸልቢ ዝሕዝ ሰብ እዩ። እናወርወረ ዝፃወት ዕቡድ ሰብን እዩ። መጣቘሲ እንተ ዘየሎ ኸዓ ባእሲ የቋርፅ። ናግራም ሰብኣይ ከዓ ኸምኡ ባእሲ የሳውር። ናብ ውሽጢ መዓናጡ ድማ ይኣቱ። ኣቕሓ መሬት እዩ። ብልቡ ግና ተንኰል የንብር። ኣብ ልቡ ሸውዓተ ርኽሰት ኣለዎሞ። ክፍኣቱ ኣብ ጉባኤ ይግለፅ። እምኒ ዘንከባልል ድማ ናብ ባዕሉ ይግልበጦ። ጠባሪት መልሓስውን ጥፍኣት ተምፅእ። ፅባሕ ብዝኸውን ኣይትመካሕ። ካልእ ይወድስካ እምበር ከናፍርካ ኣይኮነን። ካብ ክልቲኡ ግና ቝጥዓ ሰነፍ ይኸብድ። ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ክቐውም ይኽእል? ካብ ሕቡእ ፍቕሪ፥ ግሉፅ ተግሳፅ ይሐይሽ። ናይ ፈታዊ ምቝሳል ይሐይሽ። ንዝጠመየት ነፍሲ ግና፥ ኵሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ። ሰፈራ ሓዲጋ ኸም እትዅብልል ዒፍ እዩ። ከምኡ ኸዓ ምኽሪ ፈታዊ ንነፍሲ የሐጕሳ። ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓው፥ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት የሐይሽ። ለባም ኩን፤ ንልበይውን ኣሐጕሶ። ዘየስተውዕል ግና ጠጒጉ ይኣትዎ እሞ ብእኡ ይጕዳእ። ንዘይፈልጦ ንዝወሓስ ከዓ ዕገቶ። ከም ዝረገሞ እዩ ዝቝፀር። ቤትን፥ ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም። ንኣኣ ምዕጋት፥ ንንፋስ ምዕጋትን፥ ብኢድካ ዘይቲ ምዕዃትን እዩ። ሰብ ከዓ ንብፃዩ ይስሕሎ። ንጐይታኡ ዝከናኸን ከዓ ይኸብር። ናይ ባዕልኻ ኹነታት የርእየካ። ዓይኒ ወዲ ሰብውን ኣይፀግብን። ሰብ ከዓ በቲ ዝቕበሎ ናእዳ ይምዘን። ዕሽነቱ ኣይሓድጎን። ንልብኻ ኣብ መጓሰኻ ኣንብሮ፤ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ። ኣብ እምባታት ዘሎ ሰኾይ ከዓ ምስ ተኣከበ፥ ዲበላታትካ መዐደጊ ግራት ይኾኑኻ፤ ንስድራኻን ንኣግራድካን ዝምግብ ፀባ ኽህባኻ እየን። ፃድቃን ግና ኸም ሽደን ኣንበሳ ተኣማሚኖም ይነብሩ። ዘመና ይነውሕ። ዘጥፍእ ብርቱዕ ዝናም እዩ። ሕጊ ዝፍፅሙ ግና ይቃወምዎም። ንዅሉ የስተውዕልዎ። ብቕንዕና ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ። ምስ ዘይረብሕ ዝተዓራረኽ ግና ነቦኡ የሕፍሮ። ነቲ ንድኻታት ዝርህርሀሎም ሰብ ይእክበሉ። ፀሎቱ ፅዩፍ እዩ። ሰናይ ነገር ክወርሱ እዮም። ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ግና ይዕዘቦ። ህዝቢ ይሕባእ። እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ። ልቡ ዘትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ። ከም ዝጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ። ግፍዒ ዝፀልእ ግና ንብዙሕ ዘመን ይነብር። ሓደ እኳ ኣየፀግዖን። ሽዑ ንሽዑ ይወድቕ። ደድሕሪ ምናምን ዝስዕብ ግና ይደኪ። እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን። ፅቡቕ ኣይኮነን። ድኽነት ከም ዝመፆ ግና ኣይፈልጥን። እቲ ንሰብ ዝግስፅ ደሓር ሞገስ ይረክብ። ካብ ኣቦኡን እኖኡን ዝሰርቕ፥ ዓርኪ ሰራቒ እዩ። ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ይፀግብ። እቲ ብጥበብ ዝመላለስ ግና ይድሕን። ብዙሕ መርገም ይወርዶ። እንተ ጠፍኡ ግና ፃድቃን ይበዝሑ። ፈውሲውን የብሉን። ረሲኣን እንተ ሰልጠኑ ግና ህዝቢ ይበኪ። ምስ ኣመናዝር ዝተዓራረኽ ግና ገንዘቡ ይውድእ። ጉቦ ዝፈቱ ግና የጥፍኣ። ነእጋሩ መፃወድያ የፃውደሉ። ፃድቕ ግና ዕልል ይብል፤ ይሕጐስውን። ሓጢኣተኛ ሰብ ግና ንፍልጠት ኣየስተውዕልን። ጠቢባን ግና ባእሲ የህድኡ። ዕረፍቲ እውን የብሉን። ነፍሲ እቲ ቕኑዕውን ይደልዩ። ጠቢብ ግና ይዓግቶ፤ የህድኦውን። ዓመፀኛታት ይኾኑ። እግዚኣብሄር ነዒንቲ ኽልቲኦም ብርሃን ይህብ። ዙፋኑ ንዘለኣለም ይፀንዕ። ዘይተቐፅዐ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ። ፃድቃን ግና ውድቀቶም ይሪኡ። ንነፍስኻውን ታሕጓስ ክህባ እዩ። ሕጊ ዝሕሉ ግና ዝተመስገነ እዩ። እንተ ኣስተውዓሎ እኳ ኣይምለስን። ካብኡ ንሰነፍ ዝሐሸ ተስፋ ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ኸም ጐይታ ይኾኖ። ሃለፍለፍ ዝብል ሰብ ከዓ ሓጢኣት የብዝሕ። ክብረት ይረክብ። ግና ሓደ እኳ ኣይገልፅን። ብሰላም ይነብር። ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚ ሓጢኣተኛታት ፅሉእ እዩ። ንሱውን ንኢቲኤልን ንኡካልን ከምዙይ ይብል፦ ምስትውዓል ወዲ ሰብውን የብለይን። ብዛዕባ እቲ ቅዱስውን ዝፈልጦ የብለይን። መን እዩ ስሙ? ስም ወዱኸ መንዩ? ንሱ ንዝእመንዎ ዋልታኦም እዩ። ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።” ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንኣኣተን ኣይትኽልአኒ፤ ግና እቲ ዘድልየኒ እንጀራ ሃበኒ።” ንባርያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ።” “ነቦኡ ዝረግሞ፥ ንኖኡ ኸዓ ዘየመስግን ትውልዲ ኣሎ፤ ‘ኣነ ንፁህ እየ’ ዝብል ትውልዲ ኣሎ፤ ቀራንብቱውን ንላዕሊ ዝሪኣ ትውልዲ ኣሎ፤ ሰይፊ ዘስናኑ፥ ካራ ዝዀራርምቱ ትውልዲ ኣሎ።” ኣርባዕተ ነገራት ኣለዉ፤ ይኣኽለኒ ዘይብል ሓዊ እዮም።” ጨቃውቲ ንስሪ ኸዓ ኽበልዕወን እዮም።” ነቲ ራብዓይ ግና ፈፂመ ኣየስተውዕሎን፤ መንገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ እዮም።” መንገዲ ኣመንዝራ ሰበይቲ እያ።” አረ ነቲ ራብዓይስ ክትፆሮ ኣይትኽእልን፤ ሰነፍ እንጀራ እንተ ፀገበ፥ ገረድ ንምበይታኣ እንተ ወረሰታ እዩ። ግናኸ ንሳቶም የመና ጥበበኛታት እዮም፦ ግና ምግቡ ብሓጋይ ይእክብ። ግና ሰፈረን ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ይገብራ። ግና ብስነ ስርዓት ሓቢሩ ይጕዓዝ። ግና ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ይነብር።” እቲ ራብዓይውን ፅቡቕ ኣካይዳ ይኸይድ፤ ዘይምለስ፥ ንእንስሳውን ዘይፈርሕ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብግልፂ ዝናገር ንጉስ እዮም። ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ። ባእሲ ይፍጠር።” እኖኡ ዝመሃረቶ ናይ ማሳ ንጉስ ናይ ልሙኤል ቃል፦ እንታይ እሞ ኽብለካ እየ? መንገድኻውን ነገስታት ንዘጥፍኡ ኣይትሃብ።” ኣይግባእን እዩ። መስተ ንነገስታት ግቡእ ኣይኮነን።” ወይኒ ኸዓ ነቶም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባት እዩ ዝግባእ። መከራኦም ከዓ ኣይዘክሩ። ክንዲ በሃምን፥ ክንዲ ደኽታምን ኣፍካ ኽፈት። ንድኹምን ንምስኪንን ፍትሒ ኣውፅአሎም።” ዋጋኣ ኻብ ዝኸበረ ቐይሕ ዕንቊ የመና ዝኸበረት እያ። ምርኮውን ኣይጐድሎን። ክፉእ ኣይትገብርን። ፀጕሪ በጊዕን ልሕፂ እንጣጢዕን ትደሊ፤ ተሓጒሳ ኸዓ በእዳዋ ትሰርሕ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፤ ካብ ርሑቕ ሃገር ቀለባ ተምፅእ። ነግራዳ ኸዓ ሰስርሐን ተትሕዘን። ብፍረ ኣእዳዋ ገይራ ኸዓ ትተክል። ቅልፅማውን ተበርትዕ። መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። ኣፃብዕታ መፍተል ይሕዛ። ናብ ፅጉማትውን ኣእዳዋ ትሰድድ። ስለዙይ ኣስሓይታ ኽወርድ እንተሎ ኣይትፈርሕን። ኤፉድን ቀይሕ ክዳንን ከዓ ትኽደን። እንትቕመጥ ክቡር እዩ። ንነጋዶውን ቅናት ተቕርበሎም። ነቲ ዳሕረዋይ ዘመን ከዓ ትስሕቖ። ትምህርቲ ሕጊ ርህራሄውን ኣብ መልሓሳ እዩ። እንጀራ ትህኺትውን ኣይትበልዕን። ሰብኣያ ድማ ኸምዙይ ኢሉ የመስግና፦ ካብ ኵላተን ግና ንስኺ ትበልፂ ኢኺ።” ክትነኣድ ይግብኣ። ኣብ ደገታትውን ተግባራ ይንኣዳ። እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ነጊሱ ናይ ዝነበረ ሰባኺ ወዲ ዳዊት ቃል እዩ። “እቲ ሰባኺ ኸንቱ ኸንቱ፥ ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል። ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፅዕረሉ ኵሉ ፃዕሪ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ትውልዲ ይኸይድ፤ ትውልዲ ኸዓ ይመፅእ፤ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር። ፀሓይ ትበርቕ፤ ፀሓይ ተዓርብ። ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ። ንፋስ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ይነፍስ፤ ዘይሩ ኸዓ ንሰሜን ኣቢሉ ይነፍስ። ዘይሩ ዘይሩ ኸዓ መሊሱ ኽጅምር ናብ ቦታኡ ይምለስ። ኵሉ ኣፍላግ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፤ ባሕሪ ግና ኣይመልእን፤ መሊሱ ኽጅምር ከዓ እቲ ማይ ናብቲ ምውሓዝ ዝጀመረሉ ኣፍላግ ይምለስ። ኵሉ ነገር መድከሚ እዩ፤ ሰብ ብቓል ክገልፆ ኣይኽእልን፤ ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትፀግብን፤ እዝንውን ብምስማዕ ኣይትመልእን። እቲ ዝኾነ ነገር፥ ንሱ መሊሱ ይኸውን፤ እቲ ቕድም ዝተገብረ ኸዓ ሕዚ መሊሱ ይግበር። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ሓድሽ ነገር የለን። ሰብ፥ “እንሆ እዝ ነገር እዙይ ሓድሽ እዩ” ኽብልዶ ይኽእል? ንሱ በቶም ኣብ ቅድሜና ዝነበሩ ዘመናት ተገይሩ እዩ። ነቲ ቐደም ዝነበረ ነገራት ዝዝክሮ የብሉን፤ ነቲ ኻብ ሕዚ ንደሓር ዝኾን ከዓ እቶም ደሓር ዝመፁ ኣይዝክርዎን እዮም። ኣነ ሰባኺ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ነበርኩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝግበር ኵሉ ብጥበብ ክምርምርን ከፅንዕን ልበይ ኣትጋህኹ። እዙይ ከዓ ደቂ ሰብ ክደኽሙሉ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ከንቱ ፃዕሪ እዩ። ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ተግባር ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ። ቀይናን ክቐንዕ ኣይኽእልን እዩ፤ ዝጐደለውን ክቝፀር ኣይኽእልን እዩ። ንጥበብ ክፈልጣ፥ ንዕብዳንን ንዕሽነትን፥ ከስተብህለን ኢለ ልበይ ወፈኹ። እዙይውን ንንፋስ ከም ምኽታል ምዃኑ ኣስተውዓልኩ። ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ትካዘ ኣሎ፤ ፍልጠት ዝውስኽ ድማ ሓዘን ይውስኽ። ኣነ ብልበይ “ነዓ ብደስታ ኽፍትነካ እየ፤ ሰናይ ዝኾነ ኸዓ ጠዓም” በልኩ። ግና እንሆ እዙይውን ከንቱ ነበረ። ንሰሓቕ ዕቡድ ኢኻ በልክዎ፤ ንደስታ ኸዓ እንታይ ትጠቅም በልክዎ። ኣነ ብልበይ፥ ደቂ ሰብ ብዘመን ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክገብርዋ እትግባእ ሰናይ ነገር እንታይ ከም ዝኾነት ክሳዕ ዝርኢ፥ ልበይ ብጥበብ እናመርሐኒ፥ ንሰብነተይ ብወይኒ ኸሐጕሶ ንዕሽነትውን ንምሓዝ ብልበይ መርመርኩ። ዓበይቲ ስራሕቲ ሰራሕኹ፤ ኣባይቲውን ሰራሕኹ፤ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ተኸልኩ። ኣታኽልትን ገነትን ንኣይ ገበርኩ፤ በብዓይነቱ ፍረታት ዝፈሪ ኣእዋም ከዓ ኣብ ውሽጦም ተኸልኩ። ነቶም ኣብ ዱር ዝተተኸሉ ኣእዋም ምእንቲ ኸስትየሉ ዒላ ገበርኩ። ኣወዳትን ኣጓላትን ባሮት ዓደግኩ፤ ኣብ ቤተይ ዝተወለዱ ባሮትውን ነበሩኒ፤ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ዝበዝሓ ኸብትን ጠለ በጊዕን ድማ ነበራኒ። ብሩርን ወርቅን ዝኸበረ ናይ ነገስታትን ኣውራጃታትን መዛግብ ኣከብኩ። ዝደርፉለይ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩኒ፤ ንሰብ ደስ ከብላኦ ዝኽእላ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኣከብኩ። ነዒንተይ ኵሉ ዝበሃጋኦ ኣይከልከልኩወንን፤ ልበይ ብዅሉ ድኻመይ ይሕጐስ ነበረሞ ንልበይ ካብ ሓጐስ ኣየርሓቕኩዎን፤ ዓስቢ ዅሉ እቲ ፃዕረይ ከዓ እዙይ ኮነ። ሽዑ ነቲ ዅሉ ኢደይ ዝሰርሐቶ ስራሐይን ነቲ ዝደኸምኩሉ ድኻመይን ተመልከትኩ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ፥ ንንፋስውን ከም ምኽታል ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ረብሓ የለን። ድሕሪ ንጉስ ዝመፅእ ሰብ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝገበርዎ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይገብር? ስለዙይ ኣነውን ጥበብን ዕብዳንን ዕሽነትን እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ከስተንትን ጀመርኩ። ሽዑ ኸምቲ ብርሃን ካብ ፀልማት ዝበልፅ፥ ጥበብ ካብ ድንቍርና ኸም እትበልፅ ረአኹ። ዓይኒ መስተውዓሊ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ዓሻ ግና ኣብ ፀልማት ይመላለስ። ግና ንዅሎም ፍፃሜኦም ሓደ ኸም ዝኾነ ኣስተብሃልኩ። ኣነውን ብልበይ “ንምንታይ የመና ጠቢብ ኮንኩ? ኸምቲ ንዓሻ ዝበፅሖ ንኣይውን ክበፅሐኒ እዩ” ኢለ ሓሰብኩ። ሽዑ ብልበይ “እዙይውን ከንቱ እዩ” በልኩ። በተን ዝመፃ መዓልቲታት ኵሉ ኽርሳዕ እዩሞ፥ ነቲ ጥበበኛ ኾነ ነቲ ዓሻ ናይ ዘለኣለም መዘከርታ ኣይርከብን። ኣየ! ለባም ምስ ዓሻ ኸመይ ይመውት! ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ስለ ዝኸበደኒ፥ ህይወት ፀላእኹ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ። ነቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ሰብ ክሓድገሉ እየ እሞ፥ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝደኸምኩሉ ዅሉ ስራሕ ፀላእኽዎ። ንሱ ለባም ክኸውን ወይ ዓሻ፥ መን ይፈልጥ? ምስ ናይ እዙይ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ጥበበኛ ኮይነ ዝፀዓርኩሉ ዅሉ ስራሐይ ንሱ እዩ ዝጕይተተሉ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ። ስለዙይ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓርኩሉ ፃዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቝረፅኩዎ። እንሆ፥ ብጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝፀዓረ ሰብ ንዘይደኸመሉ ሰብ እዩ ዘውርሶሞ፥ እዙይውን ከንቱን ዓብዪ ወፅዓን እዩ። ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓሮን ዝደኸሞን እንታይ እዩ ረብሓኡ? ኵሉ ዘመኑ ሓዘን፥ ፃዕርን ትካዘን እዩ፤ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይድቅስን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ። ብዘይ ናቱ ፍቓድ ዝበልዐ፥ ተሓጒሱውን ንምቾት ዝጠዓመ መን እዩ? እግዚኣብሄር ነቲ ዘሐጕሶ ሰብ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፤ ንሓጥእ ግና ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ሰብ ምእንቲ ኽህቦስ፥ ክእክብን ክድልብን ከም ዝፅዕር ይገብሮ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ኸዓ ጊዜ ኣለዎ። ንምትካል ጊዜ ኣለዎ፤ ንዝተተኽለ ንምንቃልውን ጊዜ ኣለዎ። ንምፍራስ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስራሕውን ጊዜ ኣለዎ። ንሓዘን ጊዜ ኣለዎ፤ ንጐይላውን ጊዜ ኣለዎ። ንምፍልላይውን ጊዜ ኣለዎ። ንምድርባይውን ጊዜ ኣለዎ። ስቕ ንምባል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምዝራብ ጊዜ ኣለዎ። ንውግእ ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰላምውን ጊዜ ኣለዎ። ንዝሰርሕ ሰብ ዓስቢ ድኻሙ እንታይ እዩ? እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኽፅዕሩ ዝሃቦም ስራሕ ረአኹ። ንዅሉ ብእዋኑ ፅቡቕ ገይሩ ሰርሖ። እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ፥ ሰብ መርሚሩ ኸይረኽቦ ዘለኣለማዊነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣሕደረ። ስለዙይ፥ ሰብ ብህይወት እንተሎ፥ ካብ ምሕጓስን ሰናይ ካብ ምግባርን ዝሐይሽ ሰናይ ነገር ከም ዘየለ ፈለጥኩ። እምበኣር ኵሉ ሰብ ኽበልዕን ክሰትን፥ ብዅሉ ፍረ ፃዕሩ ኽሕጐስን እዙይውን ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ። ኵሉ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ንዘለኣለም ከም ዝነብር እፈልጥ እየ፤ ክውሰኾ ኾነ ኽንከዮ ኣይከኣልን እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኽፈርሑ ኸምዙይ ገበሮ። እቲ ሕዚ ዘሎ ቕድም ዝነበረ እዩ፤ እቲ ዝኸውን ዘሎውን ቀደም ዝኾነ እዩ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓለፈ መመሊሱ ክኸውን ይደልዮ። ኣነውን ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክንዲ ፍትሒ ኽፍኣት፥ ክንዲ ፅድቅውን ክፍኣት ከም ዘሎ ረአኹ። ኣነ ብልበይ “ኵሉ ነገርን ኵሉ ተግባርን ገጊዜኡ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ፃድቕን ነቲ ኽፉእን ክፈርዶም እዩ” በልኩ። ኣነውን ብልበይ “ደቂ ሰባት ከም እንስሳ ምዃኖም ምእንቲ ኽሪኡ እግዚኣብሄር ይፍትኖም እዩ” በልኩ። ዕድል ደቂ ሰብን እንስሳን ሓደ እዩ፤ ብፅሒቶምውን ማዕረ እዩ፤ እቲ ሓደ ኸም ዝመውት እቲ ኻሊእውን ይመውት፤ ናይ ኵሎም እስትንፋስ ሓደ እዩ። ኵሉ ኸንቱ እዩሞ፥ ሰብ ካብ እንስሳ ኣይበልፅን። ኵሉ ናብ ሓደ ስፍራ ይኸይድ፤ ኵሎም ካብ መሬት እዮም ተፈጢሮም፤ ናብ መሬት ከዓ ይምለሱ። ነፍሲ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፥ ነፍሲ እንስሳ ኸዓ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ ዝፈልጥ መን እዩ? ዕድሉ እዙይ እዩ እሞ፥ ሰብ ብፍረ ፃዕሩ እንትርፊ ምሕጓስ ካልእ ዝሐሸ ኸም ዘየለ ኣስተውዓልኩ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውን ተመሊሱ ምእንቲ ኽርኢ ኸምፅኦ ዝኽእል መን ኣሎ? መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀናንዖም ኣይነበረን። ስለዙይ ኣነ “ካብቶም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ፥ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ኣመስገንኩ።” ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ገና ዘይተወለደ፥ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግፍዒ ዘይረአየ፥ ኣብሊፁ ይሐይሽ። ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ። ዓሻ ኣእዳዉ ጠሚሩ ይቕመጥ፤ ንገዛ ስጋኡውን ይበልዕ። ግና ኽልተ ኢድ ምሉእ ክትረክብ ኢልካ ኻብ ምፅዓርን ደድሕሪ ንፋስ ካብ ምጕያይንስ ሓንቲ ኢድ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ። ተመሊሰ ድማ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ከንቱ ነገር ረአኹ። ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ። ብፃዕሮም ፅቡቕ ረብሓ ኽረኽቡ ስለ ዝኽእሉ ኻብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ። ሓደ ኻብኣቶም እንተ ወደቐ እቲ ሓደ ኸተስኦ ይኽእል፤ ሓደ በይኑ እንተ ኾይኑ ግና፥ እንተ ወደቐ ዘተስኦ የብሉን እሞ፥ ወይለኡ። ከምኡ ኸዓ ኽልቲኦም ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይማወቑ፤ ሓደ በይኑ እንተ ደቀሰ ግና፥ ከመይ ኢሉ ይመውቕ? እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ። ካብ ምኽሪ ዘይቕበል ኣረጊትን ዓሻን ንጉስ፥ ድኻን ለባምን መንእሰይ ይሐይሽ። እቲ መንእሰይ፥ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ወይ ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ ብድኽነት ተወሊዱ ኽነግስ ይኽእል። ኣነ እቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝመላለሱ ኹሎም ህያዋን፥ ምስቲ ኽንድኡ ኽቐውም ዝተመደበ ኻልእ ጐበዝ ኮይኖም ረአኽዎም። እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፤ እቶም ብድሕሪኡ ዝመፁ ግና ብእኡ ኣይሕጐሱን። እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስ ከም ምኽታል ከዓ እዩ። ናብ ቤት እግዚኣብሄር እንትትኣቱ እግርኻ ሓሉ፤ ክፉእ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮምሞ ኻብ መስዋእቲ ሰነፋት፥ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሐይሽ። ብኣፍኻ ኣይትቐልጥፍ፤ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄርውን ንምዝራብ ኣይትሸኵል። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ፥ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን። ብብዝሒ ስራሕ ሕልሚ ይረአ፤ ከምኡውን ድምፂ ሰነፍ ብብዝሒ ቓላት ይስማዕ። ንእግዚኣብሄር እንተ ተመባፃዕኻ፥ ንምፍፃሙ ኣይትደንጒ። ብዓያሹ ደስ ኣይብሎን እዩሞ፥ ነቲ ዝተመባፃዕካዮ ፈፅሞ። ንዘይትፍፅሞ ኻብ ምምብፃዕ ዘይምምብፃዕ ይሐይሽ። ንስጋኻ ብሓጢኣት ከየስሕቶ ንኣፍካ ሓርነት ኣይትሃቦ፤ ኣብ ቅድሚ መልኣኽውን ስሕተት እዩ ነይሩ ኣይትበል። ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር ብቓልካ ኽቝጣዕን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸጥፍኦን እትደሊ? ብዙሕ ሕልምን ብዙሕ ቃላትን ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ከንቱ ነገር ኣሎ፤ ንስኻ ግና ንእግዚኣብሄር ፍራሕ። ንሓደ ሹም፥ ካብኡ ልዕል ዝበለ ዝምልከቶ ኣሎ፤ ካብኣቶም ከዓ ልዕል ዝበለ ንዅሎም ዝምልከቶም ኣሎሞ፥ ድኻ እንትጥቃዕ፥ ኣብ ሓደ ሃገር ከዓ ፍርድን ፅድቅን ክጠፍእ እንተ ረአኻ፥ ኣይትገረም። ንዅሉ ዝጠቅም ግና ንጉስ እታ ሃገር ማሕረስ ዝፈቱ እንተ ኾይኑ እዩ። ገንዘብ ዝፈቱ ገንዘብ ኣይፀግብን፤ ሃብቲ ዝፈቱ ኸዓ ትርፊ ኣይፀግብን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ። ጥሪት እንተ በዝሐ፥ በላዕቱ ይበዝሑ፤ ንዘጥረዮ ደኣ፥ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይጠቕሞ? እቲ ሰራሕተኛ፥ ብዙሕ ወይ ውሑድ በሊዑ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፤ ንሃብታም ግና ፅጋቡ ኣየደቅሶን። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሕዝን ክፉእ ነገር ረአኹ፤ ንጕድኣት መጥረዪኡ ዝተዓቘረ ሃብቲ እዩ። እዝ ሃብቲ እዙይ ብድንገት ይጠፍእ፤ ውሉድ እንተ ወለደ ኸዓ፥ እቲ ወዱ ጥራሕ ኢዱ ይተርፍ። ከምቲ ኻብ ማህፀን ወላዲቱ ጥራሑ ዝውለድ፥ ከምኡ ኸዓ ኸም ዝመፆ ይምለስ፤ ካብቲ ዝፀዓረሉውን ሓንቲ እኳ ብኢዱ ኣይማላእን። እዙይውን ዘሕዝን ክፉእ ነገር እዩ፤ ከም ዝመፀ ኸምኡ ይኸይድ፤ ድኻሙ ንንፋስ ካብ ኮነ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ኵሉ ዘመኑ ዘሕልፎ ብጓህን ብፀልማትን ብሓዘንን፥ ብመከራን ብሕማምን ብዅራን እዩ። ኣነ ዘስተብሃልክዎ ሰናይን ግቡእን ነገር፦ ሰብ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓፂር መዋእል ህይወቱ ኽበልዕን ክሰትን፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓረሉ ፍረ ፃማኡ ደስ ክብሎን እዩ፤ እዝ ዕድል እዙይ ከዓ ግደኡ እዩ። እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰብ ሃብትን ጥሪትን ምሃቡ፥ ካብኡ ኽበልዕን ግደኡ ኽወስድን ብፃዕሩውን ምእንቲ ኽሕጐስን ስለ ዝፈቐደሉ እዩ፤ እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሃቦ “መዋእል ህይወተይ ሓፀርቲ እየን” ኢሉ ኣይሓስብን እዩ። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፉእ ነገር ኣሎ፤ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰብ የመና ዝኸበደ እዩ። እግዚኣብሄር ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፤ ካብቲ ዅሉ ዝደልዮ ንነፍሱ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎን፤ ግና ኻልእ ሰብ ይበልዖ እምበር ካብኡ ኽበልዕ እግዚኣብሄር ስልጣን ኣይሃቦን። እዙይ ከዓ ኸንቱን ዝኸፍአ ጕድኣትን እዩ። ሰብ ሚእቲ ቘልዑ እንተ ዝወልድ፥ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዝነብር፥ መዓልቲታት ዕድሜኡውን እንተ ዝበዝሕ፥ ግና ነፍሱ ብሰናይ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ብቑዕ ቀብሪውን እንተ ዘይረኸበ፥ ካብኡስ ቍላዕ ይሐይሽ፤ እብል ኣለኹ። ብኸንቱ ይመፅእ፤ ብፀልማትውን ይኸይድ እዩሞ ስሙ ብፀልማት ይኽወል። ንፀሓይ ኣይረአያን፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይፈለጠን፤ ካብቱይ ነዙይ ዝበለፀ ዕረፍቲ ኣለዎ። ሽሕ ዓመት ክልተ ሻዕ ብህይወት እንተ ዝነብር፥ ግና ሰናይ ነገር እንተ ዘይረአየ ዅሎም ናብ ሓደ ቦታ ዝኸዱዶ ኣይኮኑን? ኵሉ ድኻም ሰብ ንኣፉ እዩ፤ ነፍሱ ግና ኣይትፀግብን። ካብ ዓሻ ንለባም ሕልፉ እንታይ እዩ? ኣብ ቅድሚ ህያዋን ምኽያድ ንዝፈልጥ ድኻኸ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ብዓይኒ ምርኣይ ብነፍሲ ኻብ ምቕብዝባዝ ይሐይሽ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንፋስ ከም ምኽታል እዩ። ነቲ ዝኾነ ዅሉ ኣቐዲሙ ስም ወፂኡሉ እዩ፤ ሰብ ከም ዝኾነውን ተፈለጠ፤ ምስቲ ኻብኡ ዝበርትዐ ኽፋረድ ኣይኽእልን። ንኸንቱ ዘብዝሐ ብዙሕ ነገር ኣሎሞ፥ እዙይ ንሰብ እንታይ ይጠቅም? ኣብዝ ሓፂር፥ ከንቱ፥ ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ህይወት ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝሐሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ መን እዩ? ወይ ከዓ ንሰብ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን መን ክነግሮ ይኽእል? ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ። ገፅ እንተ ሓዘነ፥ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ ኻብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ። ልቢ ጠቢባን ኣብ ቤት ሓዘን፥ ልቢ ሰነፋት ግና ኣብ ቤት ሓጐስ እዩ። ሰብ ፀርፊ ዓያሹ ኻብ ክሰምዕ፥ ተግሳፅ ለባማት ምስማዕ ይሕሾ። ሰሓቕ ዓሻ ኸምቲ ኣብ ትሕቲ ቝራዕ ብሓዊ ዝቃፀል እሾዅ እዩ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ። ግፍዒ ንጥበበኛ የዕብዶ፤ ጕቦውን ንልቡ የጥፍኦ። ካብ ዕቡይ መንፈስ፥ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ። “ካብዝ ዘመን እዙይ፥ እቲ ዝሓለፈ ዘመን ንምንታይ ሐሸ?” ኢልካ ኣይትናገር፤ ነዝ ነገር እዙይ ብጥበብ ኣይኮንካን እትጥይቕ ዘለኻሞ። ጥበብ ምስ ርስቲ ፅብቕቲ እያ፤ ረብሓኣ ድማ ፀሓይ ንዝሪኡ ዅሎም ይጠቅም እዩ። ፅላል ጥበብ ከም ፅላል ገንዘብ እዩ፤ ግናኸ ጥበብ እትበልፅ፥ ዘጥረያ ህይወት ምእንቲ ኽትህብ እዩ። ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ነቲ ንሱ ዘጕበጦ መን ከቕንዖ ይኽእል? ብመዓልቲ ሓጐስ ደስ ይበልካ፤ ብመዓልቲ መከራ ድማ ኣስተውዕል፤ ሰብ ብድሕሪኡ መርሚሩ ምእንቲ ኸይረክብ እግዚኣብሄር ነዙይን ነቱይን ከምኡ ገበሮ። ፃድቕ ብፅድቁ እንትጠፍእ፥ ሓጥእ ድማ ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን እንትነብር እዝ ኵሉ ኸንቱ ብዝኾነ ዘመነይ ረአኹ። እምብዛ ፃድቕ ኣይትኹን፤ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፤ ስለ ምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ? እምብዛ ኽፉእ ኣይትኹን፤ ህልኸኛውን ኣይትኹን፤ ንምንታይ ጊዜኻ እንተይበፅሐ እትመውት? ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝፈርሕ ካብዝ ዅሉ ይወፅእ እዩ እሞ፥ ነዙይ እንተ ሒዝካ ኻብዙይውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ። ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ገዛእቲ፥ ጥበብ ንጥበበኛ ዝበለፀ ተበርትዖ። ሰናይ እናገበረ፥ ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ፃድቕ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን። ንስኻ ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ባርያኻ ኽረግመካ እንተሎ ምእንቲ ኸይትሰምዕ፥ ንዅሉ ዝዛረብዎ ቓል ብልብኻ ኣይተቕልበሉ። ነዝ ዅሉ ብጥበብ፥ መርመርኩዎ፤ “ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ” በልኩ፤ ጥበብ ግና ኻባይ ረሓቐት። ንሳ እታ ርሕቕትን የመና ዓማቝን እያ፤ መንከ መርሚሩ ኽበፅሓ ይኽእል? ኣነ ግና ንጥበብን ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታን መርሚረ ኽፈልጥ፥ ሓጢኣት ዕሽነት፥ ዕሽነትውን ዕብዳን ከመይ ከም ዝኾነ ኽርዳእ ልበይ ኣቕለብኩ። ካብ ሞት ዝመርር ነገርውን ረኸብኩ፤ እዚኣ መርበብ እትመስል፥ ልባ ኸዓ መፈንጠር፥ ኣእዳዋ ድማ መቝሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ ዝኾነ ሰብ ካብኣ የምልጥ፤ ሓጥእ ግና ብኣኣ ይተሓዝ። እቲ ሰባኺ ኸምዙይ ይብል፦ ናብቲ መወዳእታ ኽበፅሕ በብሓደ እናመርመርኩ፥ እንሆ፥ እዙይ ረኸብኩ፦ ነፍሰይ ገና ዘይረኸበቶ ኣሎ፤ ካብ ሽሕ ሰብ ሓደ ቕኑዕ ሰብኣይ ረኸብኩ፤ ካብ ኵሎም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን። እግዚኣብሄር ንሰባት ቅኑዓት ገይሩ ኸም ዝፈጠረ፥ ነዙይ ጥራሕ ረኸብኩ፤ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ። ከም ጥበበኛ ዝኾነ ሰብ መን እዩ? ምትርጓም ነገራት ዝፈልጥከ መን እዩ? ጥበብ ንሰብ ገፁ ተብርሆ፤ ንድፍረት ገፁ ኸዓ ትልውጦ። ኣነ “ብእግዚኣብሄር ስለ ዝመሓልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሓልዎ” እብለካ ኣለኹ። ንጉስ ዝደለዮ እዩ ዝገብር እሞ፥ ካብ ቅድሚ ንጉስ ንምርሓቕ ኣይትህፀፅ፤ ኣብ ክፉእ ነገርውን ኣይትፅናዕ። ንጉስ ብስልጣን ይእዝዝ እዩሞ፥ “ንምንታይ እዙይ ትገብር” ዝብሎኸ መን እዩ? ትእዛዝ ዝሕሉ ኽፉእ ነገር ኣይበፅሖን፤ ልቢ ጥበበኛ ኸዓ ንጊዜን ኣካይዳን ይፈልጦ እዩ። ናይ ሰብ መከራ ብእኡ ኸቢድ ስለ ዝኾነ፥ ንዅሉ ነገር ጊዜን ኣካይዳን ኣለዎ። ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን እዩ። ከመይ ከም ዝኸውንከ ዝነግሮ መን እዩ? መንፈስ ንምትራፍ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ስልጣን ዘለዎ ሰብ የለን፤ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞቱውን ስልጣን የብሉን። ኣብ ጊዜ ውግእ ከዓ ምስንባት የለን፤ ክፍኣት ድማ ነቲ ሰራሒኡ ኣየድሕኖን። እዝ ዅሉ ረአኹ፤ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ኸዓ ልበይ ኣቕናዕኹ፤ ሰብ ንሰብ ክጐድእ ገዛኢ ዝኾነሉ ጊዜ ኣሎ። ከምኡውን ሓጥኣን ከም ዝተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝኣተዉን ረአኹ፤ ቅኑዓት ግና ኻብታ ቕድስቲ ቦታ ወፁ፥ ኣብታ ኸተማ ኸዓ ተረስዑ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ። ክፉእ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩሞ፥ ስለዙይ ልቢ ደቂ ሰብ ክፉእ ንምግባር ዝተረረ እዩ። ሓጥእ ሚእቲ ጊዜ እኳ ኽፍኣት እንተ ገበረ፥ መዋዕሉውን እንተ ነውሐ፥ ኣነስ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሓት ዝነብሩ፥ ሰናይ ከም ዝኾነሎም ብርግፅ እፈልጥ እየ። ሓጥእ ግና ንኣምላኽ ኣይፈርሕን እዩ እሞ፥ ሰናይ ኣይኾነሉን፤ ንመዓልትታቱውን ከም ፅላሎት ገይሩ ኣየንውሕን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝግበር ከንቱ ነገር ኣሎ፦ ንግብሪ ፃድቃን ዝግባእ ስራሕ ዝበፅሖም ሓጥኣን ኣለዉ፤ ንግብሪ ሓጥኣን ዝግባእ ድማ ዝበፅሖም ፃድቃን ኣለዉ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ በልኩ። ንሰብስ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ዝበልፅ የብሉን እዩ እሞ፥ ኣነ ንታሕጓስ ኣመስገንኩ። ስለዙይ በተን እግዚኣብሄር ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃቦ መዓልቲታት ህይወቱ እናፀዓረ ኽሕጐስ ይግብኦ። ንጥበብ ክፈልጣ፥ ኣብ ምድሪ ዝግበር ፃዕሪውን ክርኢ ንልበይ ምስ ኣቕናዕኹ፥ ለይትን መዓልትን ነዒንቶም ሰለምታ ዘይረኽቡ ሰባት ከም ዘለዉ ኣስተብሃልኩ። ሰብ ክምርምሮ ኢሉ እንተ ፀዓረ፥ ኣይረኽቦን እዩ እሞ፥ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ክፈልጦ ኸም ዘይኽእል፥ ነዝ ግብሪ እግዚኣብሄር እዙይ ረአኹ። ጥበበኛውን ዝፈልጦ እንተ መሰሎ፥ ክረኽቦ ኣይኽእልን እዩ። ብዛዕባ እዙይ ኣፀቢቐ ሓሰብኩ። ፃድቃንን ጥበበኛታትን፥ ኵሉ ዝሰርሕዎን፥ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ነዝ ዅሉ ኽምርምር ብልበይ ሓሰብኩ፤ ፍቕሪ ወይ ፅልኢ ይኹን ሰብ ኣይፈልጥን፤ ኵሉ ኣብ ቅድሚኣቶም እዩ። ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ። ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ምስ ኵሎም ህያዋን ብሓባር ዘሎ፥ ተስፋ ኣለዎ። ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም፤ ምዉታት ግና ሓደ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ፤ ድሕሪዙይ ከቶ ረብሓ የብሎምን። ፍቕሮምን ፅልኦምን ቅንኣቶምን ሓቢሩ ጠፊኡ እዩ፤ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ኸዓ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን። ኣምላኽ ግብርኻ ተቐቢልዎ ስለ ዝኾነ፥ ኪድ እንጀራኻ ደስ ኢሉካ ብላዕ፤ ወይንኻውን ብሕጕስ ልቢ ስተ። ኵልሻዕ ፃዕዳ ተኸደን፤ ርእስኻ ድማ ዘይቲ ተቐባእ። ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እትፅዕረሉ ፃዕርን ግደኻ እዩሞ፥ ብዅለን በተን ከንቱ ዝኾና መዓልቲታትካ፥ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃበካ ዅለን መዓልቲታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲኻ ብሓጐስ ንበር። ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ። ኣነውን ተመሊሰ፥ ኣብቲ ትሕቲ ፀሓይ፥ ጕያ ንፈጣናት፥ ውግእ ንጀጋኑ፥ እንጀራ ንጥበበኛታት፥ ሃብቲ ንመስተውዓልቲ፥ ሞገስ ንፈላጣት ከም ዘይኾነ ረአኹ፤ ጊዜን ዕድልን ግና ንዅሎም ይራኸቦም። ሰብ ነታ ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩሞ፥ ከምቶም ብኽፉእ መርበብ ዝተገፉ ዓሳታት፥ ከምተን ብመፈንጠር ዝተትሓዛ ኣዕዋፍ፥ ከምኡ ኸዓ ደቂ ሰብ ኣብ ክፉእ ጊዜ ድንገት እንትወርዶም እዮም ብመፈንጠር ዝተሓዙ። ጥበብ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ነዝ ጥበብ እዙይ ረአኹ፤ ንሳ ኸዓ ንዓይ ዓባይ ኮይና ተርኣየትኒ። ውሑድ ዝህዝባ ንእሽተይ ከተማ ነበረት። ሓያል ንጉስ መፂኡ ድማ ኸበባ፤ ኣብ ዙርያኣውን ዕርድታት ሰርሐ። ኣብኣ ኸዓ ጥበበኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኽበ፤ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሓና፤ ግና ነዝ ድኻ ሰብኣይ እዙይ ሓደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን። ሽዑ ኣነ “ካብ ሓይልስ ጥበብ ትበልፅ፤ ጥበብ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፤ ቃሉውን ኣይትስማዕን” በልኩ። ኣብ ማእኸል ዓያሹ ብዓውታ ኻብ ዝንገር ዘረባ ገዛኢስ፥ ብህድኣት ዝንገር ቃል ጥበበኛታት ብዝበለፀ ይስማዕ። ካብ ኣፅዋር ውግእ ጥበብ ትበልፅ፤ ሓደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ ነገራት የጥፍእ። ዝሞቱ ፅንፅያታት ነቲ ብጥዑም ጨና ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ሽቱ ኸም ዘጭንውዎ፥ ንእሽተይ ዕሽነትውን ንጥበብን ክብርን ተበላሽዎ። ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፥ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ፀጋሙ እዩ። ዓሻ ብመንገዲ ኽመላለስ እንተሎ ምስትውዓል ይጐድሎ፤ ኩሉ ዝሓስቦውን ዕሽነት እዩ። ትዕግስቲ ንዓብዪ በደል ተህድእ እያ እሞ፥ ገዛኢ እንተ ተቘጥዐካ ስፍራኻ ኣይትሕደግ። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፍኣት ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ብገዛእቲ ዝፍፀም ጌጋ እዩ። ዓያሹ መዓርግ ኣብ ዘለዎ ስፍራ ተቐሚጦም፤ ሃብታማት ግና ኣብ ትሑት ቦታ ተቐመጡ። ባሮት በፍራስ፥ መሳፍንቲ ኸዓ ኸም ባሮት ብእግሪ ክኸዱ እንተለዉ ረአኹ። ኣእማን ዝፈናቕል ብእኡ ይሓምም፤ ዕንፀይቲ ዝፍልፅውን ብእኡ ይጕዳእ። ሓፂን እንተ ጐተመ እሞ ንብልሑ ኸዓ እንተ ዘይስሒልካዮ፥ ብዙሕ ሓይሊ የድሊ፤ ጥበብ ግና ስራሕኻ የስልጠልካ። ተመን እንተይተዓዘመ እንተሎ እንተ ነደፈ፥ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን። ጥበበኛ ሰብ ዝዛረቦ ሞገስ የውህቦ፤ ንዓሻ ግና ኸንፈሩ ይውሕጦ። መጀመርያ ነገሩ ዕሽነት እዩ፤ መወዳእታ ዘረብኡ ኸዓ ሕሱም ዕብደት እዩ። ዓሻ ዘረባ የብዝሕ፤ ሰብ ከዓ ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን፤ ነቲ ብድሕሪኡ ዝኸውን ድማ መን ይነግሮ? ንሰነፍ ስራሑ የድክሞ፤ ናብ ከተማ ምውፃእ ኣይፈልጥን እዩሞ። ንጉስኪ ቘልዓ ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዝበልዑ ሃገር፥ ወይለኺ! ንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኮነስ፥ ሓይሊ ኽረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዝበልዑ ሃገር ብርኽቲ ኢኺ። ብሰንኪ ትህኺት፥ ናሕሲ ይንህል፤ ብሰንኪ ህኩያት ኣእዳው ከዓ ቤት የንጥብ። ድግስ ንሰሓቕ፥ ወይኒ ኸዓ ንህይወት ደስ የብል፤ ግና ዅሉ ብገንዘብ እዩ ዝዕደግ። ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትሕመዮ፤ ንሃብታምውን ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ኣይትፅረፎ። ዒፍ ሰማይ ነቲ ቓልካ ኽተብፅሖ እያ፤ በራሪ ዒፍውን ነገርካ ኽተውርየልካ እያ። እንጀራኻ ኣብ ልዕሊ ማይ ደርቢ፥ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክትረኽቦ ኢኻሞ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝመፅእ መከራ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ንገንዘብካ ኣብ ሸውዓተ ወይ ኣብ ሸሞንተ ቦታ መቓቒልካ ኣቐምጥ። ደመና ዝናም እንተ መልአ ናብ ምድሪ የፍስሶ፤ ኦም ናብ ደቡብ ወይ ናብ ሰሜን ኣቢሉ እንተ ወደቐ፥ ኣብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ይነብር። ንፋስ ዝፅበ ሰብ ኣይዘርእን፤ ንደመና ዝምልከትውን ኣይዓፅድን። ከምቲ መንገዲ ንፋስ ዘይትፍለጥ፥ ከምቲ ኣዕፅምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ከም ዝውጠን ዘይፍለጥ፥ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣይትፈልጦን ኢኻ። ኣየንኡ ኸም ዝበቍል፥ ሓዲኡ ወይ ክልቲኡ እንተ ፀበቐ ኣይትፈልጥን ኢኻሞ፥ ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፤ ምሸትውን ኢድካ ኣይትኸልክል። ብርሃን ጥዑም እዩ፤ ኣዒንቲ ንፀሓይ ክጥምታኣ እንተለዋ ኸዓ ደስ ይብለን። ሰብ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ ብዅላተን ይተሓጐስ፤ ይኹን እምበር ዘመን ፀልማት ከም ዝበዝሕ ይዘክር። ኵሉ እቲ ዝመፅእ ነገር ከንቱ እዩ። ኣታ ጐበዝ፥ ኣብ ጊዜ ጕብዝናኻ ደስ ይበልካ፤ በዘን መዋእል ጕብዝናኻ ልብኻ ይተሓጐስ፤ እትደልዮ ግበር፤ ልብኻ ብዝብህጎ መንገድን፥ ኣዒንትኻ ብዝጥምታኦን ተመላለስ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዅሉ እዙይ፥ ናብ ፍርዲ ኸም ዘቕርበካ ፍለጥ። ንእስነትን ጕብዝናን ቀልጢፉ ይሓልፍ እዩ እሞ፥ ጓሂ ኻብ ልብኻ፥ ሕሰም ካብ ሰብነትካ ኣርሕቕ። ክፉኣት መዓልቲታት እንተይመፃ “ደስ ኣየብሉን” እትብለሉ ዓመታት ከዓ እንተይቀረበ፥ ብመዋእል ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። ብርሃንን ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን እንተይፀልመቱ፥ ደመናታትውን ድሕሪ ዝናም እንተይተመለሱ፥ በታ ሓለውቲ ቤት ዝንቅጥቀጡላ፥ ብርቱዓት ሰባት ዝጐብጡላ፥ ውሑዳት ኮይኖም እዮምሞ፥ ጠሓንቲ ስራሕ ብዝፈትሓላ፥ ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዝፅልሙቱላ፥ ናብ ኣደባባይ ዘእቱ በርታት ከዓ ዝዕፀወሉ መዓልቲ፥ ድምፂ መጥሓን ምስ ላሸወ፥ ድምፂ ኣዕዋፍ ሰሚዑ እንትለዓል፥ ድምፂ ደረፍቲ ኣዋልድ እንትልሕትት፥ ሽዑ ንበረኽቲ ይፈርሑ፤ ኣብ መንገዲውን ድንጋፀ እንትኸውን እንተሎ፥ ለውዚ እንትዕምብብ፥ ኣንበጣውን ከም ፆር እንትኸብድ፥ ድሌት ኵሉ እንትጠፍእ፥ ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም መንበሪኡ እንትኸይድ፥ መልቀስቲውን ኣብ ኣደባባይ እንትዞሩ፥ ሓብሊ ብሩር እንተይተበትከ፥ ፍዮ ወርቂ እንተይተሰበረ፥ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ እንተይተሰበረ፥ መንኰራዅር ኣብ ዒላ እንተይተሰባበረ፥ ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። እቲ ሰባኺ “ናይ ከንቱ ኸንቱ፥ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል። ምስ ናይዙይ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሃረ። ኣስተንተነ፤ መርመረ፤ ደላለየ ብዙሕ ምስላታት ከዓ ሰርዐ። እቲ ሰባኺ ዘሐጕስ ቃላት ክረክብ ደለየ፤ እቲ ዝፀሓፎ ኸዓ ቕኑዕን ቃል ሓቅን እዩ። ቃላት ጠቢባን ከም መውግኢ ብዕራይ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብእኩባት መምህራን ኣፀቢቑ ዝተሸንከረ ሽንካራት እዩ፤ ብሓደ ጓሳ ኸዓ ዝተውሃበ እዩ። ብዝተረፈ ወደይ፥ ንተግሳፅ ስማዕ፤ መፃሕፍቲ ምፅሓፍ መወዳእታ የብሉን፤ ብዙሕ ምምርማር ድማ ንሰውነት የድክም እዩ እሞ። መወዳእታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዙይ ናይ ሰብ ኵለንትናኡ እዩሞ፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንትእዛዛቱውን ሓሉ። እግዚኣብሄር ንዅሉ ተግባራት፥ ንዅሉ ስውር ዝኾነ፥ ሰናይ ኮነ ኽፉእ፥ ናብ ፍርዲ ኸምፅኦ እዩ። ናይ ሰሎሞን መሃልየ መሃልይ። ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ። ስለዙይ ኣዋልድ ይፈትዋኻ። ብቕንዕና እየን ዝፈትዋኻ። ከም መጋረጃታት ሰሎሞን እየ። ናይ ባዕለይ ኣትክልቲ ወይኒ ግና ኣይሓለኹን። ስለ ምንታይከ ደድሕሪ መጓሰ ኣዕርክትኻ ዀለል ዝብል? መሓስእ ኣጣልኪ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ኣውፍሪ። ከም ዘሎ ፈረስ መሰልኩኺ። ክሳድኪ ብድሪ ሉል ዘጌፀ እዩ። ሽልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና። ናርዶሰይ መዓዛኡ ሃበ፤ ከም እተቛፀረ ኸርበ እዩ። ከም ሕቝፊ ዕምበባ እዩ። ኣዒንትኺ ኸም ርግቢታት እየን። ዓራትና ድማ ልምሉም እዩ። መዋቕር ገዛና ድማ ኦም ፅሕዲ እዩ። ኣነ ፅጌረዳ ሳሮን፥ ናይ ቈላ ዕምበባውን እየ። ከም ኣብ ማእኸል እሾዅ ዝበቘለት ዕምበባ ሱፍ እያ። ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤ ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ዕላማውን ፍቕሪ እዩ። ብምልዖ ኣበርትዑኒ። የማነይቲ ኢዱ ኸዓ ትሓቝፈኒ። ኣምሕለክን ኣለኹ። ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት እናተናጠረ ይመፅእ ኣሎ። ብዓይኒ ርግቢውን፥ ናብ ውሽጢ ይጥምት ኣሎ። ኣቲ ፅብቕተይ፥ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ። ዝናምውን ዛርዩ፥ ተወዲኡ እዩሞ። ድምፂ ባሬቶ ኸዓ ኣብ ምድርና ተሰምዐ። ኣቲ ፍቕርተይ፥ ተስኢ፤ ፅብቕተይ ንዒ። ገፅኪ ኣርእይኒ፤ ድምፅኺውን ኣስምዕኒ። ነተን ኣናእሽተይ ወኻሩት፥ ኣፃዊድኩም ሓዙልና። ንሱ ንመጓሰኡ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ የውፍረን። ወይ ከም ብተይ ሰስሓ ምሰል። ግና ኣይረኸብክዎን። ደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን። ኢለ ኸዓ ጠየቕክዎም። ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሰደድክዎን። ብሜዳቝን ብእራብ በረኻን ኣምሕለክን ኣለኹ። እዛ ኻብ ምድረ በዳ እትድይብ ዘላ መን እያ? ኣብ ዙርያኡ እዮም። ነፍሲ ወከፎም ሰሰይፎም ዕጡቓት እዮም። ብኦም ሊባኖስ ንባዕሉ ኣስርሐ። ውሽጡ ኸዓ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ብፍቕሪ ዝጠለፋኦ ነበረ። እኖኡ ዝደፍአትሉ ኣኽሊል ገይሩ ኽትሪኣ ውፃ። ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ። ካብኣተን ከዓ መኻን ከም ዘይብለን መጓሰ እየን። ከም ምቃል ሮማን እዩ። ተንጠልጢልዎ እዩ። ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን። ናብ ኰረብታ ዕጣንን ክድይብ እየ። ኣበርውን የብልክን። ካብ እምባ ነብርታትን ተመልከቲ። ብቘላሕታኽን ብድሪ ኽሳድክን ንልበይ ማረኽክዮ። መዓዛ ቕብእኽውን ካብ ኵሉ ሽቱ ይምዕዝ! መዓዛ ኽዳውንትኽውን ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ። ዕፅውቲ ዒላ፥ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ። ሒናን ናርዶስን ዘለዎ ገነት እዩ። ከርበን ዓልወን ኵሉ ብሉፅ ቀመማትን ዘለዋ እያ። ዒላ ህይወት፥ ካብ ሊባኖስ ዝውሕዝ ሩባ ኢኺ። ጥዑም ፍረታቱ ኸዓ ይብላዕ። ኣቱም ፍቑራት፥ ክሳዕ እትረውዩ ኣብዚሕኹም ስተዩ። ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርተይ፥ ርግበይ፥ ፍፅምተይ፥ ክፈትለይ።” እግረይ ተሓፂበ እየ፤ ከመይ ኢለ ኸርስሖ? ውሽጠይ ብእኡ ተሃወኸ። ፈሳሲ ኸርበ ኣብቲ መሸጐሪ ማዕፆ ኣንጠብጠቡ። ፀዋዕክዎ ግና ኣይመለሰለይን። ሓለውቲ ቐፅሪ ድማ መጐልበብየይ ገፈፉኒ። ክትነግራኦ ኣምሕለክን ኣለኹ። ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዝበልፅ መን እዩ? ወዛምን ምልኩዕን እዩ። ፀጕሩ ለማፅ፥ ከም ኳዅ ኸዓ ፀሊም እዩ። ከም ዝተቐመጣ ርግቢታት እየን። ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዘንጠብጥባ ዕምበባ እየን። ብልሓተኛ ኸም ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ። ከም ኣእዋም ዝግባ ዝተመረፀ እዩ። እወ፥ ፈታዊየይስ እዙይ እዩ። ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ? ናብ ገነቱ፥ ናብቲ ሽቱ ዝበቝለሉ ኽፍሊ እዩ ወሪዱ። መጓሰኡ ይጓሲ ኣሎ። እተፍርሒ ኢኺ። ከም ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ። መጓሰ ኣባጊዕ እየን። ከም ምቃል ሮማን እዩ። ቍፅሪ ዘይብለን ኣዋልድውን ኣለዋ። ንግስታትን ዕቁባትን ድማ ነኣድኣ፥ ግርማኣ ዘፍርሕ እዚኣ መን እያ? ናብ ኣታኽልቲ ለውዝ ወረድኩ። እንተይፈለጥኩ፥ ነፍሰይ ኣብ ክቡር ሰረገላ ኣቐመጠትኒ። ንሳ ኸም ደርፊ ማሃናይም እያ። ዝተሰርሐ ዕንቍታት ይመስል። ምህርቲ ስርናይ እዩ። ከም ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን፤ ግንቢ ሊባኖስ እዩ። ብቝኖኺ እቲ ንጉስ ተማረኸ። ክንደይከ ተሐጕስን ትፍተውን! ኣጥባትኪ ኸዓ ኸም ዘለላ ፍረ ተምሪ ይመስላ። መዓዛ እስትንፋስኪውን ከም ትርንጒ እዩ። ከም ጥዑም ወይኒ እዩ። ሃረርታ ፍቱወይ ከዓ ናባይ እዩ። ኣብቲ ቑሸታትውን ንሕደር። ኣብኡ ኸዓ ፍቕረይ ክህበካ እየ። ፍቱወይ፥ ኵሉ ንኣኻ ሓለኹልካ። ሓደ እኳ ኣይምነዓቐንን ነይሩ። ካብ ማይ ሮማነይን መስተኹኻ ነይረ። የማነይቱ ኸዓ ምሓቘፈትኒ ነይራ። ኣምሕለክን ኣለኹ። ኣብኡ እኖኻ ወለደትካ። ከም ማዕተብ ኣብ ቅልፅምካ ኣንብረኒ። ፈፂሞም ምነዓቕዎ። ንሓፍትና እንታይ ንግበረላ? ብፅሩብ ፅሕዲ ኽንከባ ኢና። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሰላም ከም እትረክብ ኮንኩ። ሽሕ ቅርሺ ብሩር የምፅአሉ ነበረ። ክልተ ሚእቲ ድማ ፍረኡ ንዝሕልዉ ይኹን። ድምፅኺ ኣስምዕኒ። ከም ሜዳቝ ወይ ከም ወጠጦ ሰስሓ ምሰል። ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን ኢዮኣታምን ብኣካዝን፥ ብዘመን ሕዝቅያስን፥ ወዲ ኣሞፅ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ ራእይ። ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ። ህዝበይውን ኣየስተውዓለን። ኣቱም ዓሌት ሓጥኣን! በደል ዝመልአኩም ህዝቢ፥ ዘርኢ ገበርቲ ኽፉእ፥ ርኽሰት እትፍፅሙ ውሉዳት፥ ወይለኹም! ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ፤ ንናይ እስራኤል ቅዱስውን ነዓቕዎ፤ ንድሕሪት ድማ ተመለሱ። ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ዓመፅ እናወሰኽኩም ስለ ምንታይ ትቕፅዑ? እንሆ፥ ኵሉ ርእሲ ንሕማም፥ ኵሉ ልቢውን ንድኻም ኮይኑ እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሲ፥ ጥዕና የብሉን፤ ቍስልን ሕበጥን ዝመግልንውን እዩ፤ ኣይነትዐን፤ ኣይተፀገነን፤ ብዘይትውን ኣይለስለሰን። ሃገርኩም ዓንያ፥ ከተማታትኩምውን ብሓዊ ተቓፂለን፤ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ጓኖት ንገራሁኹም ይበልዕዎ፤ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ምድሪ ዓነወት። ጓል ፅዮን ከዓ ኸምቲ መከላኸሊ ዘይብሉ፥ ኣብ ማእኸል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘሎ ዳስ፥ ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ ኸም ዘሎ ጐጆን፥ ከም ዝተኸበበት ከተማ ኾይና ተረፈት። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና። ኣቱም መራሕቲ ሰዶም ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ኣቱም ህዝቢ ገሞራውን፥ ናብ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፅን በሉ። “ብዝሒ መስዋእትኹም ንኣይ እንታይ ይጠቕመኒ?” ይብል እግዚኣብሄር። “ዘቕረብኩምለይ ዝቃፀል መስዋእቲ ዲበላታትን፥ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሒ ዝራብዕን ፀጊበ ኣለኹ። ደም ዝራብዓት ኮነ ደም ማጓሉ ወይ ደም ዲበላታት ኣየሕጕሰንን እዩ። ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ናባይ ክትመፁ፥ ቅፅሪ ቤተ መቕደሰይ ክትረግፁኸ መን ደለየኩም? ከንቱ ዝኾነ መባእ ወሲኽኩም ኣይተምፅኡለይ። ዕጣንኩም ብኣይ ፅዩፍ እዩ፤ በዓላት ሰርቂ ወርሕኹምን ሰናብትኹምን ብኽፍኣት ዝተመልአ ኣኼባታትኩምን ክዕገሶ ኣይከኣልኩን። ክፍኣት እናገበርኩም እትገብርዎ ኣኼባታትውን፥ ንበዓላት ሰርቂ ኣዋርሕኹምን ንዓመታዊ በዓላትኩምን ነፍሰይ ፀሊኣቶ ኣላ፤ ሸኽሚ ኾይኑኒ ኣሎ፤ ክዕገሶውን ኣይከኣልኩን። “ኣእዳውኩም ናባይ እንተ ዘርጋሕኹም፥ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክኽውል እየ፤ ልመና እንተ ኣብዛሕኹምውን ኣይሰምዐኩምን እየ፤ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየንሞ። ተሓፀቡ፤ ንርእስኹም ኣንፅሁ፤ ክፉእ ስራሕኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቑ፤ ክፉእ ምግባር ሕደጉ። ሰናይ ምግባር ተምሃሩ፤ ፍትሒ ድለዩ፤ ንግፉዕ ርድኡ፤ ንደኽታማት ፍትሒ ኣውፅኡሎም፤ ንመበለታት ተጣበቑለን።” “እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ። እሺ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዚዝኩምንን ግና፥ በረኸት ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። እምቢ ኢልኩም እንተ ዓሚፅኩም ግና፥ ሰይፊ ኽበልዐኩም እዩ። ኣፍ እግዚኣብሄር ነዙይ ተዛሪቡ እዩ እሞ።” እታ ፍትሒ መሊእዋ ዝነበረ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኣመንዝራ ኾነት! ቀደም ፍትሒ ዝነበራ፥ ሓቂውን ዝመልኣ ነበረት፤ ሕዚ ግና መሕደሪ ቐተልቲ ነፍሲ ኾነት። ብሩርኪ ናብ ምምራት ተለወጠ፤ ወይንኺውን ምስ ማይ ተሓዋወሰ። ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ። ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቲ ናይ እስራኤል ሓያል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ቍጥዓይ ክገልፅ እየ። ነቶም ዝቃወሙኒውን ክብቀሎም እየ። ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ንዝዕገትኪውን ፈፂመ ኸፅርዮ፥ ንዅሉ ቆርቆሮኺ እውን ከወግዶ እየ። ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፥ መማኽርትኺ ድማ ኸምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ድሕሪኡ ኸተማ ፅድቂ፥ እምንቲ ኸተማ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።” ፅዮን ብፍርዲ፥ እቶም ናብኣ ዝምለሱ ኸዓ ብፅድቂ ኽድሕኑ እዮም። ዓመፀኛታትን ሓጢኣተኛታትን ግና ብሓደ ኽስበሩ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዝሓድግዎ ድማ፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም። ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም። ቈፅላ ኸም ዝፀምለወ ኦምን፥ ማይ ከም ዘይብሉ ኣታኽልትን ክትኮኑ ኢኹም። እቲ ሓያል ከም ልሕፂ እንጣጢዕ፥ ስራሑውን ከም ቍልዒ ሓዊ ክኾኑ እዮም፤ ክልቲኦም ብሓደ ኽነዱ እዮም፤ ንኣኣቶም ዘጥፍእውን ሓደ እኳ የለን። ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ እዙይ እዩ፦ ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ኽእከቡ እዮም። ክብሉ እዮም። ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም። ንዑ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ። ብናይ ምብራቕ ሰባት ክፉእ ኣመል ስለ ዝተመልኡ፥ ከም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ስለ ዝጠንቈሉ፥ ምስ ደቂ ጓናውን ስለ ዝተሓባበሩ፥ ንቤት ያእቆብ ህዝብኻ ሓደግካዮም። ሃገሮም ብብሩርን ብወርቅን ዝመልአት እያ፤ ንሃብታቶም ድማ መወዳእታ የብሉን። ሃገሮም ከዓ ብኣፍራስ መሊኣ እያ፤ ብዝሒ ሰረገላታቶምውን ልክዕ የብሉን። ሃገሮም ብጣዖታት ዝመልአት እያ፤ ነቲ በኣፃብዕቶም ዝሰርሕዎ ግብሪ ኣእዳዎም ይሰግዱ። እቲ ጥቝዕ ትሕት ኢሉ፤ እቲ ኽቡር ሰብውን ተዋሪዱ እዩሞ፥ ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም። ካብ ኣደንጋፂነት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ በዓትታት ኣእማን እቶ፤ ኣብ ውሽጢ መሬትውን ተሓባእ። ዓይኒ ትዕቢተኛታት ክዋረድ፥ ትምክሕቲ ሰብ ከዓ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ። ንዅሉ ዓቢይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ንዅሉ ኣእዋም ባሳንን፥ ንዅሉ ነዋሕቲ እምባታትን ንዅሉ ልዕል ዝበለ ዀረብታን፥ ንዅሉ ነዊሕ ግምብን፥ ንዅሉ ፅኑዕ ቕፅርን፥ ንዅለን ነተን መራኽብ ተርሴስን ትዕቢት ወዲ ሰብ ክዋረድ እዩ፤ ትምክሕቲ ሰብ ድማ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ። ኵሎም ጣዖታትውን፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም። እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ሰባት ነቶም ክሰግዱሎም ኢሎም ብብሩርን ብወርቅን ዝሰርሕዎም ጣዖታቶም ንፅሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ክድርብይዎም እዮም። እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም። በቲ እስትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝኾነ ሰብ ኣይትተኣማመኑ፤ ንምንታይከ እዩ እትቘፅርዎ? እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፍን ፅንዓትን፥ ኵሉ ደገፍ እንጀራን ኵሉ ደገፍ ማይን ከወግድ እዩ። ንጅግና ንተዋጋኢ ንፈራዲ ንነቢይ ንጠንቋሊ ንሽማግለ፥ ንሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይን ንመማኸርን ንበዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛሚን ከወግዶም እዩ። መራሕቶም ክኾኑ፥ ቈልዑ ኸልዕለሎም እየ፤ ህፃናት ከዓ ኽገዝእዎም እዮም። ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ፥ ሰብ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ኽደፋፋእ እዩ። ቈልዓ ኣብ ልዕሊ ሽማግለታት፥ ሕሱር ድማ ኣብ ልዕሊ ኽቡር ክዕበ እዩ። ሰብ ኣብ ውሽጢ እንዳቦኡ፥ ንሓዉ ሒዙ “ንስኻ ኽዳን ኣለካ እሞ፥ መራሒ ኹነና፤ ነዝ ዑና እዙይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ግበሮ” እንትብሎ፥ ንሱ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ “ኣነ በዓል መድሓኒት ኣይከውንን፤ ኣብ ቤተይ ድማ እንጀራ ወይ ክዳን የለን እሞ፥ መራሒ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ” ክብል እዩ። ነዒንቲ ኽብሩ ኸቘጥዑ፥ ልሳኖምን ግብሮምን ኣንፃር እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ኢየሩሳሌም ሰንከልከል ትብል ኣላ፤ ይሁዳ ኸዓ ትወድቕ ኣላ። ሕፍረት ገፆም ይምስክረሎም ኣሎ፤ ንሓጢኣቶም ከም ሰዶም የውርይዎ፤ ኣይሓብእዎንውን፤ ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምፅኡ ኣለዉ እሞ፥ ንነፍሶም ወይለኦም! ፍረ ስራሖም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ንፃድቕ ሰናይ ክኾነልካ እዩ በልዎ። ንበደለኛታት ግና ኽፍኣት ክረኽቦም እዩ፤ ከም ግብሪ ኢዶም ከዓ ኽፍደዩ እዮም እሞ ወይለኦም! ንህዝበይ ኣገበርቶም ይገፍዕዎም፤ ጨቆንቶም ከዓ ይገዝእዎም። ኦ ህዝበይ፥ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፤ ነታ እትኸደላ መንገዲውን የጥፍእዋ ኣለዉ። እግዚኣብሄር ንፍርዲ ተልዒሉ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቡውን ክፈርድ ቆይሙ ኣሎ። እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይቲ ህዝቡን ኣሕሉቕን ይፈርዶም፤ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝበላዕኹም ንስኻትኩም ኢኹም፤ ካብ ድኻታት ዝወረርኩምዎውን ኣብ ገዛኻትኩም ይርከብ። ንህዝበይ ንምንታይ ተድቅቕዎ ኣለኹም? ንገፅ ድኻታት ንምንታይ ትጥሕንዎ ኣለኹም?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። መሊሱ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣዋልድ ፅዮን ኮሪዐን፥ ክሳውደን ገቲረን፥ በዒንተን እናጠቐሳ፥ ግንትእ ብዝበለ ኣረጋግፃ፥ ናይ እግረን ኣልቦ እናቃጨላ ይኸዳ ኣለዋሞ፥ ስለዙይ ጐይታ ንናላ ኣዋልድ ፅዮን ከንኵዖ፥ ንሕፍረተን ከዓ ኽቐልዖ እዩ።” በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ንናይ ክብሪ ገይፀን፥ ንኣምባር እግረንን ንገይፂ ፀጕረንን፥ ቅርፂ ወርሒ ንዘለዎ ገይፂ ኽሳደንን፥ ኩትቻ እዝነንን ኣምባር ኢደንን መሸፈኒ ገፀንን፥ መሸፈኒ ርእሰንን፥ ኣልቦአንን ሰንሰለተንን፥ ቅናተንን፥ ብልቃጥ ሽቶአንን፥ ክታበንን፥ ቀለበት ኣፃብዕተንን፥ ቀለበት ኣፍንጫአንን፥ ዝፀበቐ ቐሚሸንን፥ ቀሚሽ ውሽጠንን፥ ካባኣተንን፥ ናይ ኢድ ቦርሳአንን፥ መስትያተንን፥ ካብ ፅቡቕ ኤፉድ ዝተሰርሐ ኽዳነንን፥ ገይፂ ርእሰንን፥ ኵሉ ዓይኒ ርግብን ክምንጥለን እዩ። ከምዙይውን ክኸውን እዩ፤ ክንዲ ምዑዝ ሽቱ ሕማቕ ጨና፥ ክንዲ ቕናት ከዓ ገመድ፥ ክንዲ ቝናኖውን ነዃዕነት፥ ክንዲ መጐናፀፍያ ከዓ ወጮ፥ ክንዲ ፅባቐ መልክዕውን በሰላ ንዳድ ሓዊ ክኸውን እዩ። ኣጓብዝኪ ብሰይፊ፥ ጀጋኑኺ ኸዓ ኣብ ውግእ ክወድቁ እዮም። በሪታታ ኽሓዝናን ክበኽያን፤ ንሳውን በይና ኣብ ምድሪ ኽትቕመጥ እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ “እንጀራና ንበልዕ፤ ክዳንናውን ንኽደን፥ ግና ጥራሕ ስምካ ኣብ ልዕሌና ይፀዋዕ፤ ውርደትናውን ኣወግደልና” እናበላ ኽሕዛኦ እየን። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብዘቃፅል መንፈስን ገይሩ፥ ንርስሓት ኣዋልድ ፅዮን ምስ ሓፀበ፥ ንደም ኢየሩሳሌም ድማ ኻብ ማእኸላ ምስ ኣፅረየ፥ ኵሉ ኣብ ፅዮን ዝተሓድገን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዝተረፈ፥ ኵሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ንህይወት ዝተፅሓፈ ቕዱስ ክበሃል እዩ። እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝእከቡን፥ ብመዓልቲ ደመናን ትክን፥ ብለይቲ ኸዓ ሃልሃል ዝብል ብርሃን ሓዊን ክፈጥር እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኽብሪ መጋረጃ ክኸውን እዩ። እዙይ ከዓ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መፅለሊ፥ ካብ ዝናምን ካብ ኣውሎ ንፋስን ንመፀግዕን መሕብኢን ስፍራ ክኸውን እዩ። ናይ ወይኒ ቦታ ነበሮ። ወይኒ ኸፍሪውን ተፀበየ፤ ግና መፂፅ ፍረ ፈረየ። “ሕዚ እውን ኣቱም ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ሰብ ይሁዳ፥ እስኪ ሕዚ ኣብ መንጎይን፥ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ። ነታኽልቲ ወይነይ ካብዝ ዝገበርኩሉ ንላዕሊ፥ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ ነይሩ? ጥዑም ወይኒ ኽፈሪ እዩ ኢለ እናተፀበኽዎስ፥ ስለ ምንታይ እዩ መፂፅ ፍረ ዝፈረየ? “እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ። ከባድሞ እየ፤ ኣይዅስኰስን ኣይቝረፅንውን እዩ። እሾዅን ኳዂቶን ከዓ ኽበቝሎ እዩ፤ ዝናም ከየዝንሙሉ ንደመናት ክእዝዞም እየ።” ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ። ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩስ፥ ንኻልእ እናሰጐጕኩም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፥ ገዛ ምስ ገዛ ንዘተሓሕዙ፥ ግራትውን ምስ ግራት ንዘቀራርቡ ወይለኦም! ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብእዝነይ ከምዙይ በለኒ፦ “ብሓቂ ብዙሕ ዓበይትን ፅቡቕን ኣባይቲ ኽዓኑ እዩ፤ ዝነብረሉውን ኣይርከብን። ዓሰርተ ፅምዲ ብዕራይ ካብ ዘውዕል ናይ ወይኒ ቦታ፥ ሓደ መስፈሪ ባዶስ እቶም ስኽራን ንምኽታል ኣንጊሆም ንዝትስኡ፥ ወይኒ ኽሳዕ ዘቃፅሎም ድማ ኽሳዕ ለይቲ ንዝድንጕዩ ወይለኦም! ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን። ስለዙይ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማሪኹ ኸደ፤ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፥ እቶም ህዝቦም ድማ ብፅምኣት ይነቕፁ ኣለዉ። ስለዙይ ሲኦል ከብዳ ኣስፍሐት፤ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ከፈተት፤ እቶም ክቡራቶምን ዓበይቶምን ሃብታማቶምን ሕጉሳቶምን ናብኣ ኽወርዱ እዮም። ሰብ ክዓብር፥ ሰብ ድማ ኽዋረድ እዩ፤ ኣዒንቲ ዕቡያትውን ክዋረዳ እየን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ግና፥ ብፍትሒ ልዕል ልዕል ይብል፤ እቲ ቅዱስ ኣምላኽውን ብፅድቂ ይቕደስ። ሽዑ ጡበታት ኣባጊዕ ኣብ ውሽጢ መውፈሪኦም ክጓሰዩ እዮም፤ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከዓ፥ ጓኖት ክበልዕዎ እዮም። እቶም ንበደል ብገመድ ሓሰት፥ ንሓጢኣት ከዓ ብመእሰሪ ሰረገላ ናብኣቶም ንዝስሕብዎ፥ “ብዓይንና ኽንሪኦስ ይቐልጥፍ፤ ንተግባሩውን የቐልጥፎ፤ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ፤ ትምፃእውን” ንዝብሉ ወይለኦም! እቶም ነቲ ኽፉእ ሰናይ፥ ንሰናይ ከዓ ኽፉእ ዝብሉ፥ ንፀልማት ብርሃን፥ ንብርሃን ድማ ፀልማት ዝገብርዎ፥ ንመሪር ጥዑም፥ ንጥዑምውን መሪር ዝገብርዎ፥ ወይለኦም! እቶም ብዓይኖም ፈላጣት፥ ብርእሶምውን መስተውዓልቲ ዝኾኑ ወይለኦም! እቶም ንምስታይ ወይኒ ሓያላት ዝኾኑ፥ ዘስክር መስተ ንምሕውዋስ ድማ ብርቱዓት ዝኾኑ፥ ጉቦ ተቐቢሎም ንበደለኛ ዘፅድቕዎ፥ ንፃድቕ ድማ ፅድቂ ዘግድፍዎ፥ ወይለኦም! ንሕጊ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፥ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኣቃሊሎምዎ እዮም እሞ፥ ከምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዘንድዶ፥ ንቑፅ ሳዕሪ ኸዓ ብሃልሃልታ ሞዅ ዝብል፥ ሱሮም ዝበዅበዀ ክኸውን፥ በቚሎም ከዓ ኸም በነንታ ኽበንን እዩ። ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ኢዱ ኸዓ ኣብኣቶም ዘርጊሑ ወቕዖም፤ እምባታት ኣንቀጥቀጡ፤ ሬሳኣቶም ድማ፥ ከም ጐሓፍ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ኮነ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን፥ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ብፋፃ ኽፅውዖም እዩ፤ እንሆ እናጐየዩ ተቐላጢፎም ክመፁ እዮም። ኣብ ማእኸሎም ድኹምን ሰንከልከል ዝብልን የብሎምን፤ ሓደ እኳ ዝታኸስን ዝድቅስን ኣይህሉን፤ ቅናት ሕቘኦም ኣይፍታሕን፤ ስራኽ ኣሳእኖም ከዓ ኣይብተኽን እዩ። ፍላፃታቶም በላሕቲ እየን፤ ኵሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፤ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፥ መንኰራዅር ሰረገላታቶምውን ከም ኣውሎ ንፋስ እዩ። ድምፆም ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ከም ሽደን ኣንበሳውን ይጓዝሙ፤ ግዳዮም ሒዞም ይጓዝሙ፤ ይወስድዎውን፤ ዘናግፍውን የለን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሞገድ ባሕሪ እናሃመሙ ኽመፁዎም እዮም። ናብ ምድሪ እንተ ተመልከቱ፥ እንሆ ፀልማትን መከራን ኣሎ፤ ብርሃንውን ኣብ ውሽጢ ደመናታት ይፅልምት። ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነንሕድሕዶም ከዓ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፤ ብኽልተ ኽንፎም ገፆም ይሽፍኑ ነበሩ፤ ብኽልተ ኽንፎም ድማ ኣእጋሮም ይሽፍኑ፤ ብኽልተ ኽንፎምውን ይበሩ ነበሩ። ይብሉ ነበሩ። ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ። ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፥ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጕጤት ሒዙ፥ ናባይ እናበረረ መፀ። ብእኡ ኸዓ ኣፈይ ነኽአ እሞ “እንሆ፥ እዙይ ንኸናፍርካ ነኺእዎ እዩ፤ በደልካ ተወጊዱልካ፥ ሓጢኣትካውን ተሓዲጉልካ እዩ” በለኒ። ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ። ንሱ ድማ “ኪድ እሞ ነዝ ህዝቢ እዙይ ‘ምስማዕስ ክትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ክትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም።” ቀፂሉ ኸዓ “ምእንቲ በዒንቶም ከይሪኡ፥ በእዛኖም ከዓ ኸይሰምዑ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፥ ንልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድፈኖ፤ ነእዛኖም ኣፅምመን፤ ነዒንቶምውን ኣዐምተን” በለኒ። ንሱ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ከተማታት ዝነብረለን ስኢነን ክሳዕ ዝፈርሳ፥ ኣባይቲውን ሰብ ዘይብለን ክሳዕ ዝኾና፥ እታ ሃገርውን በረኻ ኾይና ኽሳዕ እትባድም፥ እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዘግዕዞም ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ እውን ፅምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዝበዝሑ እዩ በለኒ። ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።” ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምስ ወድኻ ያሱብ ውፁ እሞ፥ ንንጉስ ኣካዝ ክትራኸብዎ፥ ናብቲ ወሰን መስኖ ላዕለዋይ ቃላይ፥ በታ ናብ ግራት ሓፃቢ ክዳውንቲ እትወስድ መንገዲ ውፁ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ ‘ተጠንቀቕ፤ ተረጋጋዕ፤ ኣይትፍራሕውን፤ በዞም ክልተ ዝትክዩ ትንታጋት፥ ስለ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን ስለ ፋቁሔን ስለ ሮሜልዩን ጕሁር ቍጥዓ፥ ልብኻ ኣይፍራሕ።’ ሶርያን፥ ኤፍሬምን ወዲ ሮሜልዩንውን፥ ናብ ይሁዳ ንደይብ፤ ነሸብሮምውን፤ ኣፍሪስና ንእቶሞ ንወዲ ጣብኤል ኣብኣ ነንግሶ ኢሎም ክፉእ መኺሮምልካ ኣለዉ።” ጐይታ እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ምኽሮም ኣይፀንዕን፤ ኣይኸውንንውን። ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፥ ርእሲ ደማስቆ ኸዓ ረኣሶን እዩ። ኣብ ውሽጢ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ክሰባበር እዩ፥ ህዝቢ ኣይኸውንን። “እምበኣር እምነትኩም እንተ ዘይፀንዐ፥ ፈፂምኩም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።” መሊሱ እግዚኣብሄር ንኣካዝ ከምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ “ምልክት ከርእየካስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምን፤ ካብ መዓሙቕ ወይ ካብ ላዕለዋይ ምልክት ጠይቕ” በሎ። ኣካዝ ግና “ኣይልምንን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈታተንን እየ” በለ። ሽዑ ንሱ ኸምዙይ በለ፦ “እምበኣርከ ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ስምዑ፤ እቲ ንሰብ ምድካምኩም ቀሊል ድዩ? ንኣምላኸይ ድማ ተድክምዎ ኣለኹም? ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ንሱ ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ ክሳዕ ዝፈልጥ፥ ጠስምን መዓርን ክበልዕ እዩ። እቲ ህፃን ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ እንተይፈለጠ፥ ሃገራት እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ኽልተ ነገስታት ክባድማ እየን።” ስለዙይ “ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ካብ ዝተፈልየሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ቅድሚ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ ዘመን፥ እግዚኣብሄር ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ከምፅእ እዩ፤ ንሱውን ምምፃእ ንጉስ ኣሶር እዩ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ወሰን ሩባ ግብፂ ንዘሎ ፅንፅያን፥ ኣብ ኣሶር ንዘሎ ንህብን ብፋፃ ኽፅውዕ እዩ። ንሳቶም ድማ ኽመፁ እሞ፥ ኵላቶም ኣብ ኵሉ ፅምዊ ሽንጥሮን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን፥ ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጥን፥ ኣብ ኵሉ ጐዳጕዲ ማይን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መውፈሪን፥ ክሰፍሩ እዮም። “በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ኻብ ሰገር ፈለግ ኤፍራጥስ ዝተኻረዮ መላፀ፥ ብንጉስ ኣሶር ገይሩ፥ ንፀጕሪ ርእሱን ንፀጕሪ እግሩን ክላፅዮ እዩ፤ እቲ መላፀውን ንጭሕሙ ኽበልዖ እዩ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓንቲ በኳር ኣርሕን ክልተ ኣባጊዕን ጥራሕ የዕቢ። ብብዝሒ እቲ ዝህባኦ ፀባን ጠስምን ይምገብ፤ እቶም ኣብታ ሃገር ዝተረፉ ዅሎም ከዓ ፀባን መዓርን ክበልዑ እዮም። “በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዝግምቱ ሽሕ ጕንዲ ወይኒ ዘለዎ ዅሉ ስፍራታት ኣታኽልቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ጥራሕ ይኸውን። ኵላ እታ ምድሪ እቲኣ ብእሾዅን ብዃዂቶን ስለ እትሽፈን ናብኣ ዝኣትዉ ሰባት ቀስትን ፍላፃን ሒዞም እዮም። እቲ ብመባሮ ዝባሮ ዝነበረ ዅሉ ዀረብታታት ከዓ ኻብ ፍርሒ እሾዅን ኳዂቶን ዝተልዓለ ደጊም ናብኣ ኣይትኸይድን ኢኻ፤ ግና መውፈሪ ኣብዑርን መርገፂ ኣባጊዕን ክኸውን እዩ።” እግዚኣብሄር ድማ “ዓብዪ ሰሌዳ ውሰድ፥ ኣብኡውን ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ብዛዕባኡውን ነቶም እሙናት ሰባት፥ ንካህን ኦርዮን ንዘካርያስ ወዲ በራክዩን መሰኻኽር ግበረለይ” በለኒ። ኣነ ኸዓ ናብታ ነቢዪት ቀረብኩ፤ ንሳውን ጠነሰት፤ ወዲ ኸዓ ወለደት። ሽዑ እግዚኣብሄር “እቲ ህፃን ኣቦኡን እኖኡን ምፅዋዕ እንተይፈለጠ፥ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ክውሰድ እዩሞ፥ ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ስመዮ” በለኒ። መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ነቲ ብርግኣት ዝፈስስ ማይ ሰሊሆም ፀሊኡ፥ ረኣሶንን ወዲ ሮሜልዩን ፈትዩ እዩ እሞ፥ ምእንትዙይ እንሆ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓቢይን ፈለግ፥ ንሱ ኸዓ ንንጉስ ኣሶርን ምስ ኵሉ ኽብሩን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከምፅአሎም እዩ፤ ንሱውን ንዅሉ ደንደሱ ኽሓልፎን ኣብ ኵሉ ገማግሙ ኽውሕጅን እዩ። ናብ ይሁዳ ኣዕለቕሊቑ ኽኣቱ፥ ካብ ልዕሊ ገማግሙ ወፂኡ እናሓለፈውን፥ ክሳዕ ክሳድ ክበፅሕ እዩ።” ኦ ኣማኑኤል ምዝርጋሕ ኣኽናፉ፥ ንስፍሓት ሃገርካ ክትመልእ እያ። ኣቱም ህዝብታት፥ ፍለጡሞ ደንግፁ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘለኹምውን ኣድምፁ፤ ንውግእ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ፤ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ። ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ። እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ፥ ከምዙይ ተናገረኒ፤ ብመንገዲ እዝ ህዝቢ እዙይ ከይከይድ ኣጠንቀቐኒ፤ ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሻራ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ዝኾነ ነገር ሻራ ኣይትበሉ፤ ነቲ ንሳቶም ዝፈርሕዎ፥ ኣይትፍርሕዎ፤ ብእኡውን ኣይትርዓዱ። ግና ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቀድስዎ፤ ዘፍርሐኩምን ዘደንግፀኩምን ንሱ ይኹን። “ንሱ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል ግና እምኒ መዐንቀፍን መንደልሃፂ ዀዅሕን ክኸውን እዩ፤ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩውን፥ መድፈንን መፈንጠርን ክኾኖም እዩ። ብዙሓት ብእኡ ኽዕንቀፉን፥ ክወድቑን፥ ክስበሩን ክፍንጠሩን፥ ክተሓዙን እዮም።” ኣብ ማእኸል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፤ ሕግውን ሕተም። ካብ ቤት ያእቆብ፥ ገፁ ንዝመለሰ እግዚኣብሄር እፅበ ኣለኹ፤ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣለኹ። እንሆ፥ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዝነብር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይን ነቶም ንሱ ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እስራኤል ምልክትን ተኣምራትን ኢና። ንሳቶም፦ “ብሕሽዅሽዅን ብሰላሕላሕን ንዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ” እንተ በሉኹም፥ ንስኻትኩም “ህዝቢ ንኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝጥይቕ? ወይ ከዓ ንህያዋን ኢሎም ንምዉታንዶ ይጥየቑ እዮም?” ኢልኩም መልሱሎም። ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን። ንሳቶምውን ሸጊርዎምን ጠምይዎምን፥ ኣብታ ሃገር ከርተት ክብሉ እዮም። የመና ምስ ጠመዩ ድማ፥ ተቘጢዖም ንንጉሶምን ንኣምላኾምን ክረግሙ እዮም። ናብ ላዕሊውን ክጥምቱ እዮም። ናብ ምድሪ ድማ ኽጥምቱ እዮም፤ ኣብኡውን መከራን ፀልማትን ዘሸብር ፅልግልግታን ኣሎ፤ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትውን ክስደዱ እዮም። ብርሃን ወፀሎም። ንሳቶም ኣብ ቅድሜኻ ኽሕጐሱ እዮም። ንዘንጊ መጨነቒኡን ሰበርካዮ። መሳወሪ ሓዊ ኾይኑውን ክቓፀል እዩ። ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ። ጐይታ ናብ ያእቆብ ቃሉ ሰደደ፤ እዙይውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ወደቐ። ኵሉ ህዝቢ ኤፍሬምን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩን ክፈልጡ እዮም፤ ንሳቶም ዕቡያትን ምኩሓትን እዮም፤ ስለዙይ “ብጡብ ዝተሰርሐ ፈረሰ፥ ንሕና ግና ብውቑር እምኒ ኽንሓንፆ ኢና፤ ኦም ሳግላ ተቘርፀ፥ ግና ብፅሕዲ ኽንትክኦ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ፅዮን፥ ንተቓወምቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስኦም፥ ንፀላእቱውን ከለዓዕሎም እዩ። ሰብ ሶርያ ብምብራቕ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብምዕራብ፥ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ክውሕጥዎም እዮም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝቐፅዖም ኣይተመለሱን፤ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዙይ እግዚኣብሄር ብሓደ መዓልቲ፥ ርእስን ጭራን ጨናፍር ስየን ሻምበቆን ካብ እስራኤል ክቘርፅ እዩ። እቶም ዓበይትን ምርኡያትን ሰባት ንሳቶም ርእሲ እዮም፤ እቶም ሓሰት ዝምህሩ ነቢያት ከዓ ጭራ እዮም። መራሕቲ እዝ ህዝቢ እዙይ መስሓትቲ እዮም፤ እቲ ብኣኣቶም ዝምራሕ ህዝቢ እውን ክጠፍእ እዩ። ኵላቶም ግብዛትን ገበርቲ ኽፉእን እዮም፤ ኵሉ ዝዛረብዎ ኸዓ ኽፍኣት እዩ እሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር በጕባዞም ኣይሕጐስን፤ ንደኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከዓ ኣይርህርሀሎምን እዩ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። ክፍኣት ከም ሓዊ ይቀፃፀል፤ ንእሾዅን ንዃዂቶን ከዓ የቃፅል፤ ትኩ ኸም ኣዕምዲ ንላዕሊ ኽሳዕ ዝድይብ፥ ንዕሙር ዱር ዘንድድ፥ ሓዊ ይባራዕ። ብቝጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እታ ሃገር ትነድድ፤ እቲ ህዝቢ እውን ሓዊ ከም ዝበልዖ ዕንፀይቲ ይኸውን። ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይርህርህን። ሰብ ብየማኑ ይምንጥል፥ ግና ጥሜቱ ኣይዕገስን፤ ብፀጋምውን ይበልዕ፥ ግና ኣይፀግብን፤ ነፍሲ ወከፉ ስጋ ቅልፅሙ ይበልዕ። ምናሴ ንኤፍሬም፥ ኤፍሬም ከዓ ንምናሴ ይበልዖ፤ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ንይሁዳ ፀላእቱ ይኾኑ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። ኣቱም ንፅጉማት ፍትሒ ኽትከልእዎም፥ ንድኻታት ህዝበይ ከዓ መሰሎም ክትግሕሱዎም፥ ንመበለታት ምርኮኹም ክትገብርወን፥ ንደኽታማት ድማ ምእንቲ ኽትከትርዎም ኢልኩም ሕግታት ዓመፃ እትሕግጉ፥ ሕሱም ሕግጋት ከዓ እትእውጁ፥ ወይለኹም! ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም? ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። እግዚኣብሄር፥ “በትሪ ቝጥዓይ ንዝኾነ፥ ሻቘጥ ቍጥዓይውን ኣብ ኢዱ ንዘሎ ንኣሶር ወይለኡ! ንእኡ ናብቲ ዝንጉዕ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፤ ናብቲ ዘቘጥዐኒ ትውልዲውን ክልእኾ እየ፤ ንሱ ድማ ኽዘምቶምን ክብዝብዞምን ከም ጭቃ ኣደባባይ ክረግፆምን እዩ” በለ። ንሱ ግና ኸምኡ ኣይሓስብን፤ ብልቡውን ከምኡ ኣይመስሎን፤ ግና ምጥፋእን ውሑዳት ንዘይኮኑ ኣህዛብ ምቍራፅን ኣብ ልቡ ኣሎ። ከምዙይ ይብል፦ “ኵሎም መሳፍንተይ ነገስታትዶ ኣይኮኑን? ካልኖ ከም ከርከሚሽ፥ ሃማት ከም ኣርፋድ፥ ሰማርያኸ ኸም ደማስቆዶ ኣይኮነትን? ከምቲ ነቶም ካብ ኢየሩሳሌምን ሰማርያን ዝበልፅ ፅሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስታት ጣዖታት፥ ኢደይ ዘርከበቶም፥ ከምቲ ኣብ ሰማርያን ኣብ ጣዖታታን ዝገበርክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዝተቐረፁ ምስልታታን ክገብሮዶ ኣይኽእልን?” ይብል ኣሎ። እግዚኣብሄር ግና “ኵሉ ግብሩ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ምስ ፈፀመ ንንጉስ ኣሶር ስለ ትዕቢት ልቡን፥ ንድርቅና እተን ኵሩዓት ኣዒንቱን ክቐፅዖ እዩ።” ንጉስ ኣሶር “መስተውዓሊ ስለ ዝኾንኩ፥ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ነዝ ዅሉ ገበርክዎ፤ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝነበረ ወሰን ኣፍረስክዎ፥ ንመዛግብቶም ድማ ዘመትክዎ፤ ንነገስታቶምውን ከም ሓደ ብርቱዕ ጅግና ኾይነ ኣዋረድክዎም። ሰብ ኢዱ ናብ ሰፈር ዒፍ ከም ዝሰድድ፥ ኣነውን ከምኡ ኢደይ ናብ ሃብቲ መንግስታት ሰደድኩ፤ ሰባት ዝተሓደገ እንቍላሊሕ ከም ዝእክቡ ኣነውን ከምኡ ንዅሉ ምድሪ ኣከብኩዎ። ክከላኸል ኢሉ ኽንፉ ዘንገብግብ ወይ ኣፉ ኸፊቱውን ዘእወየ ኣይነበረን” ይብል ኣሎ። ምሳር ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቘርፀሉ ሰብዶ ይዘሃር እዩ? መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡዶ ይዕበየሉ እዩ? በትሪ፥ ኣብቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ሰብዶ፥ ርእሱ ይንቕንቕ እዩ? በትሪኸ፥ ዕንፀይቲ ኸም ዘይኮነ ንባዕሉ ሓፍ የብል ድዩ? ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናብቶም ህጡራት፥ ዕብራን ክሰድድ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኽብሩ ድማ ኸም ነበልባል ሓዊ ኸባርዕ እዩ። እቲ ብርሃን እስራኤል ከም ሓዊ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ክኸውን እዩ፤ ንእሾኹን ኳዂቶኡን ድማ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኸቃፅሎ እዩ፤ ክበልዖውን እዩ። ከምቲ ሕማም ንሰብ እናመንመነ ዝቐትሎ፥ ከምኡ ድማ ንኽብሪ እቲ ዱርን ንፈራዪ ገራሁን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ። እቲ ኻብ ዱር ዝተረፈ ኣእዋም ከዓ፥ ንእሽተይ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዝፅሕፎ፥ ቍፅሩ ውሑድ ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝተረፉን፥ እቶም ካብ ቤት ያእቆብውን ዝደሓኑን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክእመኑ እዮም እምበር፥ ድሕሪ ደጊም ኣብቶም ዝወቕዕዎም ኣይእመኑን እዮም። እቶም ካብ ያእቆብ ዝተረፉ፥ ናብቲ ሓያል ኣምላኽ ክምለሱ እዮም። ኦ እስራኤል፥ ህዝብኻ ኸም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ ኾኑ፥ እቶም ተረፍ ጥራሕ ክምለሱ እዮም። ዓብዪ ጥፍኣት ተኣዚዝዎ እዩ፤ እዙይውን ንፅድቂ ኸውሕዞ እዩ። እወ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምቲ ኽገብሮ ዝወሰኖ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጥፍኣት ከምፅእ እዩ። ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ኣታ ኣብ ፅዮን እትነብር ዘለኻ ህዝበይ፥ ኣሶር እኳ ብበትሪ እንተ ወቕዐካ፥ ከምቲ ግብፂ ዝገበረካ ኣሶርውን በትሩ እንተልዓለልካ ኣይትፍራሕ። ቍጥዓይ ክሳዕ ዝፍፀም፥ መዓተይውን ክሳዕ ዘጥፍኦም፥ ቁሩብ ጊዜ ተሪፉ እዩሞ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ኰዅሒ ኮሬብ ንምድያም ዝገበሮ፥ ጭጕራፍ ከልዕለሉ እዩ። ከምቲ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኣልዒሉ ንግብፃውያን ዝቐፅዖም፥ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኸልዕል እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ፆሩ ኻብ ማእገርኩም፥ ነርዑቱ ድማ ኻብ ክሳድኩም፥ ከውርዶ እዩ። እቲ ኣብ ክሳድኩም ዘሎ ኣርዑት ከዓ፥ ካብ ምርጓዱ ዝተልዓለ ኽስበር እዩ” ይብል ኣሎ። ናብ ኣንጋይ መፀ፤ ብመጌዶን ኣቢሉውን ሓለፈ። ኣብ ማክማስ ድማ ኣቑሑኡ ኣንበረ። በቲ መተሓላለፊ ሓሊፉ ኣብ ጌባ ሓደረ። ራማ ራዕራዕ ትብል። ናይ ሳኦል ገባዖን፥ ሃደመት። ኣቲ ጓል ጋሊም፥ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ፤ ላይሻ ከዓ ፅን በሊ፤ ኣናቶት ድማ መልስላ። ማድቤና ትሃድም ኣላ፤ ኣብ ግቤር ዝነብሩውን ስድራኣቶም ኣህደሙ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፤ ኢዱ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን፥ ኣብ ኰረብታ ኢየሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ። እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከም ንጨናፍር፥ ብዘስካሕክሕ ሓይሊ ኽሰልዖም እዩ። እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ክቝረፁ፥ እቶም ልዑላት ከዓ ኽዋረዱ እዮም። ነቲ ዕሙር ዱር ብሓፂን ክቘርፆ እዩ፤ ሊባኖስ እውን ብኢድ እቲ ሓያል ክወድቕ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ኽዓርፍ እዩ። እዝኑ ኸም ዝሰምዖ ኣይብይንን እዩ፤ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ። ተኣማንነትውን ናይ ጐኑ መቐነት ክኸውን እዩ። ንእሽተይ ቈልዓውን ክጓስዮም እዩ። ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ እዩ። ኢዱ ኣብ ጕድጓድ ኣፍዑት የእቱ። ክትመልእ እያ እሞ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ። እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ። ቅንኢ ኤፍሬም ክርሕቕ እዩ፤ ፀላእቲ ይሁዳ ኸዓ ኽጠፍኡ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይቐንአሉን፤ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣየጨንቖን እዩ። ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም። እግዚኣብሄር ድማ፥ ንባሕሪ ግብፂ ኸንቅፆ እዩ፤ ንፈለግ ኤፍራጥስ ከንቅፅ፥ ብርቱዕ ነፋስ ክሰድድ እዩ። ሸውዓተ ሩባታት ገይሩውን ክወቕዖ እዩ፤ ሰባት ድማ ሳእኒ ኣእትዮም ከም ዝሳገርዎ ኽገብሮ እዩ። እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ። ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ። ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ። ብሓጐስ ክትቀድሑ ኢኹም፤ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ። እዙይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ኣፍልጡ። ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።” ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ባቢሎን ዝረአዮ ፆር። ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባ፥ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ነቶም ሰራዊት ዓው ኢልኩም ኣድምፁሎም፤ ኣሕሉቕ ብበሪ ምእንቲ ኽኣትዉ ብኢድኩም ኣመልክቱሎም። ነቶም ቅዱሳነይ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ንጀጋኖይን ነቶም ብኽብረይ ዕልል ዝበሉንውን ቍጥዓይ ንምፍፃም ፀዊዐዮም ኣለኹ። ድምፂ ወኻዕታ፥ ከም ብዙሕ ህዝቢ ኣብ እምባታት ኣሎ፤ ድምፂ እቶም እኩባት መንግስታት ኣህዛብ ይሃምም ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፥ ነቶም ሰራዊት ክስለፉ ይእዝዞም ኣሎ። እግዚኣብሄርን ኣፅዋር ቍጥዓኡን ነታ ምድሪ ብምልእታ ኸጥፍኡ ኻብ ወሰን ሰማይን ካብ ርሑቕ ሃገርን ክመፁ እዮም። ስለዙይ ኣእዳው ደቂ ሰብ ክለምሳ እየን፤ ልቢ ዅሉ ሰብ ከዓ ኽመክኽ እዩ። ክድንግፁ፥ ቃንዛን ሓዘንን ክሕዞም እዩ፤ ከም እትሓርስ ሰበይቲ ኸቕለልዉ፥ ተገሪሞም ንስንሳቶም ክጠማመቱ እዮም፤ ገፆም ከዓ ኸም ገፅ ሃልሃልታ እዩ። እኒሃ መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ምስ መዓትን ብርቱዕ ቍጥዓን ናህርን መሰክሒት ኮይና ትመፅእ ኣላ። ንምድሪ ኽተባድማ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ሓጥኣን ድማ ኽተጥፍኦም እያ። ከዋኽብቲ ሰማይን ሰራዊቶምን፥ ብርሃኖም ኣይህቡን እዮም፤ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኽትፅልምት እያ፤ ወርሒ ኸዓ ብርሃና ኣይትህብን እያ። ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፥ ንሓጥኣን ድማ ስለ ሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ። ንዅርዓት ዕቡያት ከዓ መወዳእታ ኽገብረሉ፥ ንትዕቢት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ። ነቶም ዝተረፉ ኻብ ፅሩይ ወርቂ፥ ካብቲ ወርቂ ኦፊር ድማ ዝኸበሩ ኽገብሮም እየ። ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ። ከም እትህደን መይዳቝን፥ ጓሳ ኸም ዘይብለን መጓሰን ኮይኖም፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቦም ክምለሱ፥ ነናብ ሃገሮምውን ክሃድሙ እዮም። ኵሉ ዝተረኽበ ኽውጋእ እዩ፤ ዝተትሓዘ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ህፃናቶም ክጭፍጨፉ እዮም፤ ኣባይቶም ክብዝበዝ እዩ፤ ኣንስቶም ድማ ኽንውራ እየን። እንሆ፥ ነቶም ንብሩር ግዲ ዘይብሎም፥ ንወርቂ ኸዓ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስአሎም እየ። መንትጎም ነጕባዝ ከውድቖም እዩ፤ ንፍረ ማህፀን ድማ ኣይምሕሩን እዮም፤ ኣዒንቶምውን ንህፃናት ኣይርህርሁሎምን እዮም። መንግስቲ ባቢሎን ዕንቊ መንግስታት፥ ኵርዓት ከለዳውያን እያ። ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንሰዶምን ገሞራን ዘፍረሰን ከፍርሳ እዩ። ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይሰፍርን እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ መሕደሪ ሰብ ኣይትኸውንን እያ። ኣዕራብውን ኣብኣ ድንኳኖም ኣይተኽሉን፤ ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣየስፍሩላን እዮም። ግና ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኽሰፍሩ እዮም፤ ኣባይታ ብጕጓታት ክመልእ እዩ፤ ሰገናት ኣብኣ ኽነብራ እየን፤ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኽሰራሰሩ እዮም። ተዅላታት ኣብ ኣደራሻታ፥ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ፅቡቕ ግምብታታ ኽንቅዉ እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፤ መዓልትታታውን ኣይድንጕያን እየን። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም። ደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ሃገር፥ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዙሓት ኣህዛብ ክሕግዝዎም እዮም። ደቂ እስራኤል ድማ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብኡ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ገንዘቦም ክገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ዝነበሩ ኽማርኹ፥ ነቶም ዝገፍዕዎም ዝነበሩ ድማ ኽገዝእዎም እዮም። እግዚኣብሄር ካብ ፃዕርኻን ካብ መከራኻን፥ ካብቲ ኣብኡ ኣቲኻዮ ዝነበርካ ፅኑዕ ባርነትን በታ መዓልቲ ኸዕርፈካ እዩ። ሽዑ ንንጉስ ባቢሎን ከምዙይ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፦ “እቲ ጨቋኒ ኸመይ ዓረፈ! ጭቘናኡኸ ኸመይ ኣብቅዐ! እግዚኣብሄር ንዘንጊ ኽፍኣትን፥ ንበትሪ ገዛእትን ሰበሮ። ነቲ ንህዝብታት ብቝጥዓ እንተየቋረፀ ዝወቕዖም፥ ነቲ ብቝጥዓን ዓጋቲ ብዘይብሉ ምስጓጕን፥ ንኣህዛብ ዝገዝአ በትሪ ሰበሮ። ኵላ ምድሪ ዓሪፋ ብህድኣት ተቐሚጣ ዕልልውን ትብል ኣላ። ፅሕድታትን ዝግባታት ሊባኖስን እኳ ‘ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ፥ ክቘርፀና ኢሉ ዝደየበ ሓደኳ የለን’ እናበሉ ብኣኻ ደስ በሎም። “እታ ታሕቲ ዘላ ሲኦል፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምእንቲ ኽትቅበለካ ኢላ ተሃወኸት፤ ነቶም ዝሞቱን ዓበይቲ ምድርን ተበራብረልካ ኣላ፤ ንነገስታት ከዓ ኻብ ዙፋናቶም ተትስኦም ኣላ። ኵላቶም ከዓ ‘ንስኻውንዶ ኸማና ደኺምካ! ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካ! ክብርኻን ቃና መሰንቆታትካን፥ ናብ ሲኦል ወረደ፤ መንፀፍካ ፍልሖ፥ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም’ ኢሎም ክመልሱልካ እዮም። ብልብኻውን፥ ‘ናብ ሰማይ ክዓርግ፥ ንዙፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ከብሎ እየ፤ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ እምባ መአከቢ ኽቕመጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ደመናታት ክዓርግ፥ ነቲ የመና ልዑል ዝኾነውን ክመስሎ እየ’ በልካ። ንስኻ ግና ናብቲ መዓሙቝ ጕድጓድ ናብ ሲኦል ክትወርድ ኢኻ። “ዝሪኡኻ የስተብህሉኻሞ፥ ‘እቲ ንምድሪ ዘንቀጥቀጠን ንመንግስታት ዘናወፀን፥ እቲ ንኸተማታት ዘፍረሰንን ንዓለም ዘባደማን? ንምሩኻቱ ናብ ገዛኦም ክኸዱ ዘይሰደደ ሰብኣይ እዙይ ዲዩ?’ ኢሎም የስተውዕሉኻ። ኵሎም ነገስታት ኣህዛብ፥ በብገዛኦም ብኽብሪ ደቂሶም ኣለዉ። ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ ዝተወግኡን፥ ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፥ ከም እተረግፀ ሬሳ፥ ከም ፍንፉን ጨንፈር ኴንካ ናብ መቓብርካ ተደርበኻ። ንምድርኻ ስለ ዘዕኖኻያ፥ ንህዝብኻ ኸዓ ስለ ዝቐተልካዮም፥ ኣብ መቓብር ምስኣቶም ኣይትሕወስን ኢኻ፤ ዘርኢ ኽፉኣት ንዘለኣለም ኣይፅዋዕን። ከይለዓሉ ንምድሪ እውን ከይወርሱ ንዓለምውን ብኸተማታቶም ከይመልኡ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንደቆም ሞት ኣዳለዉሎም።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊኣቶም ክትስእ እየ፤ ስምን ተረፍን ዘርእን ትውልድን ካብ ባቢሎን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚእብሔር። ንባቢሎን ዓዘቕቲ ኽገብራ እየ፤ መሕደሪ ቅንፍዝውን ክትከውን እያ። ብመዀስተር ጥፍኣት ገይረ ኽዅስትራ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዝመደብክዎውን ክቐውም እዩ። ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰብሮ እየ፤ ኣብ እምባታተይ እውን ክረግፆ እየ። ኣርዑቱውን ካብ ልዕሊኣቶም ክለዓል፥ እቲ ሸኽሚውን ካብ ማእገሮም ክወርድ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦ ሓሳብ እዙይ እዩ፦ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ዝተዘርግሐት ኢድውን እዚኣ እያ።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር መዲብዎ እዩሞ፥ መን እዩ ኸንቱ ዝገብሮ? ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፤ መንከ እዩ ዝመልሳ? ኦ ፍልስጥኤም! እቲ ዝወቕዐኪ ዝነበረ በትሪ ስለ ዝተሰብረ ዅልኻትኩም ኣይትተሓጐሱ። ካብ ሱር ተመን ኣፍዑት ይወፅእ እዩሞ። ፍረኡውን ዝነፍርን ሓዊ ዝመስልን ገበል ይኸውን። በዅሪ ደቂ እቶም ድኻታት ክዋፈሩ፥ ፅጉማት ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም። ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፤ ተረፍኪውን ክቕተል እዩ። ትኪ ኻብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ሰራዊት ከዓ ንበይኑ ዝተርፍ የለን እሞ፥ ኣታ በሪ ዋይ ዋይ በል፤ ኣቲ ኸተማውን ኣእውዪ፤ ኵልኻትኩም ፍልስጥኤም ድማ ምኸኹ። ነቶም ልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢልካ ምምላስ ይግባእ? እግዚኣብሄር ንፅዮን ከም ዝመስረታ፥ እቶም ፅጉማት ህዝቡ ኸዓ ኣብኣ መፀግዒ ኸም ዝረኽቡ ዝብል እዩ። ብዛዕባ ሞኣብ ዝተነግረ ሸኽሚ፥ ኣየ፥ እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ዒር፥ ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት! እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት! ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን መስገዲ ዀረብታታት ይድይቡ ኣለዉ፤ ሰብ ሞኣብ ከዓ ንኸተማታቶም ናባን ሜድባን ብሓዘን ይበኽዩለን ኣለዉ፤ ፀጕሪ ርእሶም ተነፅዩ ጭሕሞም ከዓ ተላፅዩ እዩ። ፈቖዶ መንገድታቶምውን ወጮ ተዓጢቖም ኣብ ናሕስታቶምን ኣብ ኣደባባያቶምውን፥ የመና ንብዓት እናፍሰሱ ዅሎም በኽዮም እዮም። ሓሴቦንን ኤልያሊን የእውዩ ኣለዉ፤ ድምፆም ከዓ ኽሳዕ ያሃፅ ይስማዕ ኣሎ፤ ስለዙይ ሰልፈኛታት ሞኣብ ኣእወዩ። ነፍሳ ኣብ ውሽጣ ተንቀጥቀጠት። ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ። ማያት ኔምሬም ክነፅፉ እዮም፤ ሳዕሪውን ነቒፁ እዩ፤ ጠጥዒ ፀምልዩ ዅሉ ልምላሜኡ የለን። ስለዙይ ሰባት ነቲ ዝኣከብዎን ነቲ ዝዓቘርዎን ሒዞም ብሩባ ዕቦል ከሳግርዎ እዮም። ንወሰናት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፤ ብኽያታ ኸዓ ኽሳዕ ኤግላይም፥ ክሳዕ ብኤር ኢሊም በፅሐ። ማያት ዲሞን ብደም ተመሊአን ኣለዋ፤ ኣብ ልዕሊ ዲሞን ድማ፥ ካብዙይ ዝገደደ ስቓይ ከምፅአሎም እየ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሃድሙ ሰብ ሞኣብን፥ ኣብ ልዕሊ ተረፍ እታ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ። ካብታ ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ሴላ፥ ናብቲ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዝሰልጠነ፥ ጡቦታት ኣባጊዕ ስደዱ። ከም ዝነፍር ዒፍ ከም ዝተበተኑ ጫቚታት፥ ከምኡ ኣጓላት ደቂ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ክኾና እየን። “ምኽሪ ምኸሪ፤ ፍርዲ ፍረዲ፤ ቀትሪ እንተሎ ንፅላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ። ንዝተሰጐጐ ሕብኢ፥ ንዝሃድሙ ኣይትግለፂ። ካብ ሞኣብ ዝተሰደዱ ምሳኺ ይቀመጡ፤ ካብ ቅድሚ እቶም ዘጥፍእዎም ከውሊ ኹኒዮም። እቶም ዘጨንቑ ሃሊቖም፥ ጥፍኣትውን ተሪፉ፥ እቶም ዝጭቍኑ ዝነበሩ ኻብ ምድሪ ጠፊኦም እዮም።” ዙፋን ምሕረት ክምስረት፥ ኣብኡውን ዝፈርድን፥ ቅንዕና ዝደልን፥ ፅድቂ ንምግባር ዝፈጥንን ብሓቂ ኣብ ዙፋን ዳዊት ክቕመጥ እዩ። ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ የመና ስለ ምዕባዩን ስለ ኵርዓቱን ስለ ትዕቢቱን ስለ ቝጥዓኡውን ሰሚዕና ኢና፤ ትምክሕቱ ኸንቱ እዩ። ይሁዳ “ህዝቢ ሞኣብ ዕቡያት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። ብርጡጣትን ኵሩዓትን ምዃኖም ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ትምክሕቶም ግና ኸንቱ እዩ” ይብሉ ኣለዉ። ስለዙይ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይ ዋይ ክትብለላ እያ፤ ኵላቶም ዋይ ዋይ ክብሉ እዮም። ብዛዕባ ናይ ቂር ሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ እናስቈርቈርኩም ክትበኽዩ ኢኹም። እቲ ኣብ ጥቓ ሄስቦን ዝነበረ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይኒ ሲባማን ፀምልዩ እዩ። እቶም ገዛእቲ ኣህዛብ ዝሰባበርወን ጨናፍር ክሳዕ ኢያዜር በፂሑ ዝነበረ፥ ብወገን ምብራቕ ክሳዕ ናብ ምድረ በዳ ወፂኡ ነይሩ። ብወገን ምዕራብ ከዓ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ። ኣብቲ ፈራዪ ገራሁ ሓጐስን ተድላን የለን። ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ደርፍን ዕልልታን የለን። ኣብ መፅመቚ ሓደ እኳ ወይኒ ዝረግፅ ሰብ የለን። ንዕልልታ ረጋፆ ወይኒ መወዳእታ ገይረሉ እየሞ። ስለዙይ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፥ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂርሄሬስ፥ ከም መሰንቆ ይቝዝም ኣሎ። ሞኣብውን ናብ ኰረብታ ደዪቡ እንተ ፀዓረ፥ ኣብ መቕደሱውን ክፅሊ እንተ ኣተወ፥ ሓደ እኳ ዘስልጦ የብሉን። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሞኣብ ቀደም ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ። ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር “ዝተዓስበ ሰብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ብሰለስተ ዓመት እቲ ዅሉ ኽብሪ ሞኣብን፥ ብዝሒ ህዝባውን ክዋረድ እዩ። ካብዝ ብዙሕ ህዝባ ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም። እቲ ዝተረፈ ህዝባውን ውሑድን ድኹምን ክኸውን እዩ” ይብል። ብዛዕባ ደማስቆ ዝተነግረ ፆር። “ድሕሪ ደጊም ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ክተቋርፅ እያ፤ ዑናን ኵምራ ፍርስራስን ክትከውን እያ። ከተማታታ ኽባድማ እየን። መጓሰታት ዝውዕላለን ክኾና እየን፤ ዘፍርሐንውን የለን። ዕርድታት ካብ ኤፍሬም፥ መንግስቲ እውን ካብ ደማስቆ፥ ክውገድ እዩ። ተረፍ ሶርያ ድማ፥ ከም ክብሪ ተረፍ እስራኤል ክኸውን እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክብሪ ያእቆብ ክትሕት እዩ፤ ህጥራን ስጋኡውን ኽዓብር እዩ። ከምቲ ዓፃዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ፥ ብኢዱ ኣኪቡ ነቲ ጕንቦ ዝዓፅዶ ክኸውን እዩ። ኣብ ለሰ ራፋይም ዝቕረም ከምኡ ክኸውን እዩ። ከምቲ ኣውሊዕ ምስተነነወ፥ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕለዋይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ፍረ፥ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከዓ፥ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ውሑድ ቀሪም ክተርፍ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።” በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ኽጥምት እዩ፤ ኣዒንቱ ኸዓ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሪኣ እየን። ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢታት ኣይጥምትን እዩ፤ ናብቲ በፃብዕቱ ዝገበሮ ጣዖታት ኣስታሮት ወይ ናብ ምስልታት ፀሓይ ድማ ኣይርእን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምተን ኣሞራውያንን ኤዊያውያንን፥ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እትሓድጋ ቦታታት ዝባደማ፥ እተን ፅኑዓት ከተማታት ክባድማ እየን። እስራኤል፥ ንኣምላኽ ምድሓንኪ ረሳዕኺዮ፤ ነቲ ፅኑዕ ኰዅሒ ሓይሊ ዝኾነልኪ ኸዓ ኣይዘከርክዮን፥ ስለዙይ ደስ ዘብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፥ ጋሻ ዝኾነ ዘርኢ እውን ትዘርኢ ኣለኺ። ግና በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ እኳ እንተ በቘለ፥ ብፅባሒቱውን እንተ ዓምበበ፥ በታ መዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን፥ እቲ ቐውዒ ኸንቱ ክኸውን እዩ። ከም ምትማም ባሕሪ ንዝተሙ፥ ከም ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ዝብል ድምፂ ዘስምዑ ህዝቢ ወይለኦም! ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም። ኣጋ ምሸት ድንጋፀ ይመፅእ፤ ግና ምድሪ ምስ ወግሐውን ኣይርከቡን። ግደ እቶም ዝማረኹናን፥ ብፅሒት እቶም ዝዘመቱናን እዙይ እዩ። ካብ ሩባታት ኢትዮጵያ፥ ንንየው ንዘላ ድምፂ ኣኽናፍ ዘለዎም መራኽብ ንዘለውዋ፥ ልኡኻት ብልዕሊ ባሕሪ፥ ናይ ሰልሰላ መራኽብውን ብልዕሊ ማይ ንእትልእኽ ምድሪ ወይለኣ! ኣቱም ቅልጡፋት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙፅ ህዝቢ፥ ናብቲ ኸም መጀመርታ ዝተፈርሐን ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ። ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘለኹም ኵልኻትኩምውን፥ ምልክት ኣብ እምባታት ልዕል ምስ በለ፥ ተመልከቱ፤ መለኸት እንትንፋሕውን ኣድምፁ። እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ከምቲ ብሙቐት ቀውዒ ለይቲ ዝወድቕ ኣውሊ ደበና፥ ከምቲ ብድሁር ቀትሪ እተንፀባርቕ ፀሓይ፥ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኮይነ ሃዲአ ኽምልከት እየ። ቅድሚ ቐውዒ፥ እዋን ዕምበባ ምስ ሓለፈ፥ ዕምበባ ኸዓ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ በፅሐ፥ ንሓረግን ንጫለዳ ሱርን፥ ካብ ተኽሊ ወይኑ ብቐሊሉ ቘራሪፁ ኸወግዶ እዩ። ኵላቶም ኣደዳ ኣሞራታት እምባን፥ ኣደዳ ኣራዊት በረኻን ክኾኑ እዮም፤ ኣሞራታት ብኣኣቶም ክሓግዩ እዮም፥ ኵላቶም ኣራዊት በረኻ ድማ ኣብኣቶም ክኸርሙ እዮም” በለኒ። ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ። “ግብፃውያን ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ክለዓሉ ኽገብሮም እየ እሞ፥ ሓው ምስ ሓዉ፥ ብፃይ ምስ ብፃዩ፥ ከተማ ምስ ከተማ፥ መንግስቲ ምስ መንግስቲ፥ ክዋግኡ እዮም። መንፈስ ግብፃውያን ኣብ ውሽጦም ጥራሑ ክኸውን እዩ። ንምኽሮምውን ከንቱ ኽገብሮ እየ፤ ንሳቶም ድማ ንጣዖታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ክጥይቑ እዮም። ንግብፃውያን ናብ ኢድ ጨካን ገዛኢ፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ጨካን ንጉስ ድማ ኽገዝኦም እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።” ማይ ካብ ባሕሪ ኽጠፍእ እዩ፤ እቲ ሩባውን ክነፅፍ እዩ። ሩባታት ክጨንዉ እዮም፤ መስኖታት ግብፂውን ክውሕዱን ክነቕፁን እዮም፤ ሰልሰላን ጋሳን ክፅምልዉ እዮም። ኣብ ወሰን ሩባ ኣባይ ዘሎ ሰውሒ፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣባይ ዝተዘርአ ዅሉ፥ ክሃጒጕን ክጠፍእን ኣይክርከብንውን እዩ። ኣስገርቲ ዓሳ ኽሓዝኑ፥ እቶም ኣብ ሩባ ኣባይ መቝለብ ዝድርብዩ ዅሎም ክበኽዩ፥ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዝርግሑ ድማ፥ ልቦም ክጠልሞም እዩ። እቶም ሰራሕቲ ዝተፋረኸ ቓንጫ እንጣጢዕን፥ እቶም ኣለምቲ ፃዕዳ ኽዳውንትን ክሓፍሩ እዮም። ኣዕምዳ ኽስበሩ እዮም፤ ኵሎም እቶም ብዓስቢ ዝሰርሑውን ክሓዝኑ እዮም። መሳፍንቲ ጣኔዎስ የመና ሰነፋት እዮም፤ እቶም ጥበበኛታት መማኽርቲ ፈርዖን ከዓ፥ ምኽሮም ድንቍርና ኾይኑ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርዖን “ንሕና ደቂ ጥበበኛታት፥ ደቂ ዘርኢ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት ኢና” እትብልዎ? ፈርዖን፥ እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዝወሰኖ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጡ እንተ ደኣ ኾይኖምስ እስኪ ይንገሩኻ። ኣሕሉቕ ጣኔዎስ ሰነፋት እዮም፤ መሳፍንቲ ሜምፎስ ከዓ ተጠበርቲ እዮም፤ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታት ንግብፂ ኣጋገይዋ። እግዚኣብሄር ንግብፂ ቐይናን መንፈስ ኣፍሰሰላ። ስለዙይ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዝብል፥ ንግብፂ ኸዓ ኣብ ኵሉ ተግባራታ ሰንከልከል ከም እትብል ገበርዋ። ድሕሪ ደጊም ርእሲ ይኹን ጭራ፥ ስየ ይኹን ሰልሰላ፥ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ንግብፂ ኣይጠቕማን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግብፃውያን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክቐፅዖም ኢሉ ኢዱ ኽዝርግሕ እንተሎ፥ ራዕራዕ ክብሉን ክድንግፁን እዮም። ምድሪ ይሁዳ ንግብፂ እተደንግፅ ክትከውን እያ። እቲ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ዝመኽረላ ምኽሪ ዝተልዓለ፥ ኵሉ ወረኣ ዝሰምዐ ኽፈርሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብቛንቋ ከነዓን ዝዛረባ፥ ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ ዝምሕላ ሓሙሽተ ኸተማታት ኣብ ሃገር ግብፂ ኽርከባ እየን፤ ካብኣተን እታ ሓንቲ “ናይ ጥፍኣት ከተማ” በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ሃገር ግብፂ፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽስራሕ እዩ፤ ኣብ ወሰና ኸዓ ንእግዚኣብሄር ዓምዲ ኽትከል እዩ። እዙይ ከዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ምስክርን ክኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ገፋዕቶም ናብ እግዚኣብሄር እንትጠርዑ ድማ፥ ንሱ መድሓንን ሓያልን ሰዲዱ ኸድሕኖም እዩሞ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ብግብፂ ዝተፈልጠ ይኸውን፤ ግብፃውያንውን ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ እዮም፤ ብመስዋእትን ብቝርባንን ከምልኹ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኽመባፅዑ፥ ክፍፅምዎውን እዮም። እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ኽወቕዖም እዩ፤ ወቒዑ ግና ኽፍውሶም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ እዮም፤ ንሱውን ክሰምዖምን ክፍውሶምን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ግብፂ ናብ ኣሶር መንገዲ ክኸውን እዩ። ኣሶራውያን ናብ ግብፂ፥ ግብፃውያን ከዓ ናብ ኣሶር ክመፁ እዮም። ግብፃውያንን ኣሶራውያንን ብሓደ ኾይኖም ከምልኹ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል፥ ንግብፅን ንኣሶርን ሳልሰይተን ክትከውን እያ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ በረኸት ክኸውን እዩ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ “ግብፂ ህዝበይ፥ ኣሶር ግብሪ ኢደይ፥ እስራኤል ርስተይ፥ ቡሩኻት ኩኑ” ኢሉ ኽባርኾም እዩ። ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ብዝለኣኾ መሰረት፥ ኣዛዚ ሰራዊቱ ተርታን ናብ ኣዛጦን መፂኡ፥ ንኸተማ ኣዛጦን ተዋጊኡ ኣብ ዝሓዛ ዓመት፥ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ “ኪድ እሞ ነቲ ወጮ ኻብ ሕቘኻ ፍትሓዮ፤ ኣሳእንካ ድማ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ከደ። እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ኢትዮጵያን ምልክትን ተኣምራትን ክኸውን፥ ሰለስተ ዓመት ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ዝኸደ፥ ከምኡውን ንጉስ ኣሶር፥ ንእሱራት ግብፅን ንምሩኻት ኢትዮጵያን ኣጕባዝን ሽማግለታትን ሓፍረቶም ቀሊዑ፥ ጥራሕ ዝባኖምን ጥራሕ እግሮምን ንውርደት ግብፂ ኽወስዶም እዩ። ንሳቶም ካብ ተስፋኦም ካብ ኢትዮጵያ፥ ካብ ትምክሕቶም ካብ ግብፂ ዝተልዓለ፥ ክፈርሑን ክሓፍሩን እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ‘እንሆ እቶም ካብ ንጉስ ኣሶር ከድሕኑና ናብኣቶም ዝሃደምናዮ ተስፋና እዙይ ኮነ፤ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና?’ ኽብሉ እዮም።” ኣብ ጥቓ ባሕሪ ብዛዕባ ዘሎ ምድረ በዳ ዝተነግረ ፆር። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዝለዓል፥ ከምኡ ኻብ ምድረ በዳ፥ ካብቲ ዝፍራሕ ሃገር ወራሪ ኽመፅእ እዩ። ኤላም ደዪቢ፤ ሜዶንውን ክበቢ፤ ንምስቍርቋር መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን። ልበይ ጠለመኒ፤ ብፍርሒ ኸዓ እርዕድ ኣለኹ፤ ተስፋ ዝገበርክዎ ድንግዝግዝታ ራዕዲ ኣምፅአለይ። ማእዲ ኣዳልዉ፥ ምንፃፍ ኣንፅፉ፥ ብልዑን ስተዩን፤ ኣቱም መሳፍንቲ ተልዓሉ፤ ዋልታኻትኩም ኣዳልዉ። ሽዑ እግዚኣብሄር “ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፤ ዝረአዮውን ይንገር። በፍራስ ዝቕመጡ በብኽልተ እናኾኑ ዝኸዱ ፈረሰኛታት፥ ኣብ ኣእዱግን ኣብ ኣግማልን ዝቕመጡ ምስ ረአየ፥ ብፍፁም ትግሃት ኣስተውዒሉን ተጊሁን የዳምፅ።” እቲ ሓላዊ ድማ ዓው ኢሉ “ጐይታይ፥ መዓልትን ለይትን እንተየቋረፅኩ ኣብታ መሐለዊት ግንቢ ተተኺለ ኣለኹ።” ኣቱም ኣብ ዓውደይ እተኸየድኩም ደቂ ዓውደይ፥ እቲ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ዝሰማዕኽዎ እነግረኩም ኣለኹ። ብዛዕባ ኤዶምያስ ዝተነግረ ፆር። ካብ ሴይር “ኣታ ሓላዊ፥ ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ክንደይ እዩ? ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ተዳመፀኒ። እቲ ሓላዊ ድማ “ክወግሕ እዩ፤ ግና መሊሱ ኽመሲ እዩ። ክትጥይቑ እንተ ደሊኹም ከዓ ተመሊስኩም ንዑ” በለ። ብዛዕባ ሃገር ዓረብ ዝተነግረ ፆር። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፥ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሓድሩ ኢኹም፤ ኣቱም ሰብ ቴማን፥ ነቶም ፅሙኣት ማይ ኣስትይዎም። ነቶም ሃዲሞም ዝመፁ ሰባት፥ እንጀራ ሒዝኩም ተቐበልዎም። ካብ ኣስይፍቲ፥ ካብ ዝተመዘዘ ሰይፊ፥ ካብ ዝተገተረ ቐስቲ፥ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሃዲሞም ይመፁ ኣለዉሞ። ጐይታውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዕሱብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኵሉ ኽብሪ ቄዳር ክጠፍእ እዩ። እቶም ሰብ መንትግ ደቂ ቄዳር ጀጋኑ እዮም፤ ግና ኻብኣቶም ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም፤ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተዛሪቡ እዩ።” ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም? ኣቲ ኣውያትን ህልቀትን ዝመልአኪ ኸተማ፥ ኣቲ ሕጕስቲ ኸተማ፥ እቶም ኣብ ውሽጥኺ ዝተቐተሉ፥ ብሰይፊ ወይ ኣብ ውግእ ኣይኮኑን ዝተቐተሉ። ኵሎም መራሕትኺ ሓቢሮም ሃደሙ፤ ብዘይ ፍላፃ ኸዓ ተማረኹ። ካብ ርሑቕ ሃዲሞም ኵሎም ኣባኺ ዝተረኸቡ ብሓባር ተኣሰሩ። ስለዙይ ንጥፍኣት ጓል ህዝበይ ኣምሪረ ኽበኪ ሕደጉኒ፤ ክተፀናንዑኒ ኢልኩምውን ኣይትድከሙ፤ በልኩ። ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ራእይ ፍርሕን ስዕረትን ዕግርግርን ኮይኑ ኣሎ። ቅፅሪና ይፈርስ ኣሎ፤ ክሳዕ እምባታት ዝበፅሕ ኣውያት ከዓ ይስማዕ ኣሎ። ኤላም ምስ ሰብ ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ኮይኑ ሰገባኡ ፆረ፤ ቂርውን ዋልታኡ ቐልዐ። እቲ ፍርያም ለሰ ይሁዳ ብሰረገላታት መልአ፥ ፈረሰኛታት ከዓ መቖሚኦም ኣብ ኣፍ ደገ ገበሩ። ሽዑ ናብ እንዳ ኣፅዋር፥ ናብ ቤት ዱር ተመልከትካ። እቲ ዝፈረሰ መንደቕ ናይ ዳዊት ከተማ፥ ከም ዝበዝሐ ረአኹም። ነቲ ማይ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ሓፅቢ ንኣባይቲ ኢየሩሳሌም ቈፀርኩም፤ ነቲ ቕፅሪ ምእንቲ ኽተፅንዑ ኸዓ ነተን ኣባይቲ ኣፍረስኩምወን። ነቲ ኻብ ናይ ቀደም ሓፅቢ ዝፈስስ ማይ ምእንቲ ኽትእክቡሉ፥ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቕፅሪ ሓፅቢ ገበርኩም። ግና ነቲ ነዙይ ዝፈጠረ ኣይተመልከትኩምን፤ ወይ ነቲ ኻብ ጥንቲ ነዙይ ዘዳለዎ ኣይረአኹምን። በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም። ንስኻትኩም ግና ተሓጐስኩምን በዓል ገበርኩምን፥ ስጋ ኽትበልዑ ኸብትን ኣባጊዕን ሓረድኩም፤ ወይኒ ድማ ሰተኹም። “ፅባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ” ድማ በልኩም። እዝ ነገር እዙይ ኣብ እዝኒ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተሰምዐ፤ እዝ በደል እዙይ፥ ክሳዕ እትሞቱ ኸቶ ኣይሕደገልኩምን እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ናብ ሳምናስ እቲ ኣዛዚ ቤት ኮይኑ ዝተሾመ ኺድ እሞ፥ ‘ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ? መቓብርካ ኣብዙይ እተውቅር፥ ንርእስኻ ኣብ በሪኽ መዕረፊ ዝኸውን ስፍራ ኣብ ኰዅሒ እተውቅርስ ኣብዙይ እንታይ ኣለካ? እንሆ እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣርሒቑ ኽውርውረካ፥ ኣፀቢቑ ድማ ኽዕዅልለካ እዩ። ጠቕሊሉ ኸንከባልለካ፥ ከም ኵዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ምድሪ ኽድርብየካ እዩ፤ ኣታ ነውሪ ናይ ቤት ጐይታኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፤ እተን ክብርኻ ዝኾና ሰረገላታት ድማ ኣብኡ ክኾና እየን። ካብ ስፍራኻ ኽሰጐካ እየ፤ ካብ ሽመትካ ድማ ኽስዕረካ እየ’ ኢልካ ንገሮ” በለኒ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንባርያይ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ክፅውዖ እየ። ቀሚስ መዓርግካ ኸልብሶ፥ መዕጠቒኻ ኸዕጥቖ፥ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፤ ንሱውን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ክኸውን እዩ። መኽፈቲ ቤት ዳዊት ድማ፥ ኣብ ማእገሩ ኸንብር እዩ። ንሱ ዝኸፈቶ ሓደ እኳ ዝዓፅዎ የለን፤ ንሱ ዝዓፀዎ ድማ ዝኸፍት ሓደ እኳ የለን። ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፤ ንቤት ኣቦኡውን፥ ዙፋን ክብሪ ክኸውን እዩ። ክብሪ ቤት ኣቦኡ፥ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፥ ኵሉ ኣናእሽተይ ኣቕሑ፥ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኽስቀል እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር፥ ክመልቝን ክስበርን ክወድቕን፥ እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ፆር ከዓ ወዲቑ ኽሰባበር እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ብዛዕባ ጢሮስ ዝተነግረ ፆር። ከተማ ጢሮስ ዓንያ እያ እሞ፥ ቤት የለን፤ ምእታው ድማ የለን እሞ፥ ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዋይ ዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ጀሚሩ ተገሊፁሎም እዩ። ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ብባሕሪ ዝሳገሩ ነጋዶ ሲዶና ዝመልኡኹም ፀጥ በሉ። ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እኽሊ ሒሾርን ቀውዒ ኣባይን እቶት ጢሮስ ነበረ። ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ኮይና ነበረት። ባሕርን እቲ ዕርዲ ባሕርን “ቅልውላው ኣይሓዘንን፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣየዕበኹን” ይብል ኣሎ እሞ፥ ኣቲ ሲዶን ሕፈሪ። ወረ ጢሮስ ናብ ግብፂ ምስ በፅሐ ብወረ ጢሮስ ቅልውላው ክሕዞም እዩ። ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ናብ ተርሴስ እታ ቐደም ዝተመስረተት ሕጕስቲ ኸተማ ጢሮስ እዚኣ ድያ? እታ ንብዙሓት ናብ ሰገር ባሕሪ እትሰዶም ዝነበረት ከተማ እዚኣ ድያ? ነታ ዘውድታት እተፅዕን ዝነበረት፥ ኣሕሉቕ ዝነጋዶኣ፥ ክቡራን ምድሪ ዝሸቃጦኣ ኸተማ ጢሮስ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝመኸረላ መን እዩ? ንዅሉ ትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርድ ኢሉ ነዙይ ዝወሰነ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ኣቲ ጓል ተርሴስ፥ ዝኽልክለኪ የለንሞ፥ ከም ኣባይ ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ውሕጅኪ ሕለፊ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኢዱ ዘርጊሑ፥ ንመንግስታት ኣደንገፀ፤ ዕርድታት ከነዓን ክፈርስ ከዓ ኣዘዘ። ኣቲ እተጨነቕኪ ድንግል ሲዶና፥ ካብ ደጊም ደስ ኣይበልኪ፤ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፤ እንተ ኼድኪ ኣብኡ እውን ኣይትዓርፊን በለ። እንሆ ንሃገር ባቢሎናውያን ተመልከቱ፤ እቲ ህዝቡ ኸንቱ ኾይኑ ኣሎ። ኣሶራውያን መንበሪ ኣራዊት ምድረ በዳ ገበርዎ። ዝኸቡሉ ቕፅሮም ሰርሑ፤ ኣዳራሻ ኣፍረሱ፤ ዑናውን ገበርዋ። ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዕርድታትክን ፈሪሱ እዩ እሞ ዋይ ዋይ በላ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጢሮስ፥ ንዕድመ ሓደ ንጉስ ዝኣክል፥ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። እተን ሰብዓ ዓመት ምስ ተወድኣ ግና፥ ንጢሮስ ከምዝ ዝስዕብ ደርፊ ኣመንዝራ ኽድረፈላ እዩ፦ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ። እተን ሰብዓ ዓመታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ክምልከታ እዩ፤ ንሳ ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ንግዳ ኽትምለስ እያ። ምስ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለም ድማ፥ ክተመንዝር እያ። ግና ረብሓኣን ዝረኸበቶ ዓስብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። ረብሓኣ ኣይዕቈርን ኣይቕመጥን እዩ። እኳ ደኣ በሊዖም ምእንቲ ኽፀግቡ፥ ብሉፅ ክዳንውን ክኽደኑስ፥ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነብሩ ክኸውን እዩ። እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣዕንዩ ኸባድማን ክግልብጣን እዩ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽብትኖም እዩ። ከምቲ ኣብ ህዝቢ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ካህኑ፥ ከምቲ ኣብ ኣገልጋሊ ዝኸውን ከምኡ ኣብ ጐይታኡ፥ ከምቲ ኣብ ግዝእቲ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ እምበይተኣ፥ ከምቲ ኣብ ዓዳጊኡ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ሸያጢኡ፥ ከምቲ ኣብ ተለቃሒ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ መለቅሒኡ ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ፥ ምድሪ ፈፂማ ኽትበርስን ክትባድምን እያ። ምድሪ በኸየት፥ ረገፈትውን፤ ዓለም ደኸመት፥ ረገፈትውን፤ ዓበይቲ ህዝቢ ምድሪ እውን ደኸሙ። ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤ ስለዙይ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፤ እቶም ህዝባ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽቃፀሉን እናወሓዱን ክኸዱ እዮም። ተኽሊ ወይኒ በኸየት፤ ጕንዲ ወይኒ ኸዓ ደኸመት፤ እቶም ሕጉሳት ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ ሕዚ ይትክዙ ኣለዉ። ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፥ ወኻዕታ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፥ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ እዩ። ካብ ደጊም እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፤ እቲ ዘስክር መስተ ንዝሰትይዎውን ክመሮም እዩ። እታ ዝፈረሰት ከተማ ባደመት፤ ገዛውቲ፥ ሰብ ከይኣትዎ ተዓፀወ። ወይኒ ስለ ዘየለ፥ ፈቐዶ ኣደባባዩ ዋዕዋዕ ይብሉ፤ ታሕጓስ ካብ ገፅ ምድሪ ጠፍአ። እታ ኸተማ ዓንያ እያ፤ መዓፁኣ ተሰባቢሩ እዩ። ኦም ኣውሊዕ እንትውቃዕ፥ ዘለላ ወይኒ እውን እንትቝረፅ ቀሪም ከም ዝቕረም፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝብታትውን ከምኡ ክኸውን እዩ። እዚኣቶም ድምፆም ኣልዒሎም፥ ዕልል ክብሉ እዮም፤ ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ፤ ስለዙይ እቶም ኣብ ምብራቕ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ። እቶም ኣብ ደሴታት ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ኸዓ፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል የኽብርዎ። ካብ ወሰን ምድሪ “ክብሪ ነቲ ፃድቕ ይኹን” ዝብል መዝሙር ሰሚዕና። ኣነ ግና ዓበርኩ፤ መንመንኩ፤ ወይለይ! ከሓድቲ ይዕምፁ ኣለዉ፤ ዓመፅቲ ኸዓ የመና ይዕምፁ ኣለዉ በልኩ። ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ስምዐኒ፤ እንሆ፥ ራዕድን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። እቲ ራዕዲ ሒዝዎ ዝሃድም፥ ናብ ጕድጓድ ክወድቕ እዩ፤ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። መስኮት ሰማይ ተኸፊቱ እዩ እሞ፥ መሰረታት ምድሪ ተናወፀ። ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ተሰባበረት፤ ምድሪ ፈፂማ መኸኸት፤ ምድሪ ፈፂማ ተናወፀት። እወ፥ ምድሪ ኸም ዝሰኸረ ሰካር ሰንደልደል ትብል፤ ምድሪ ኸም ዳስ ነነው ትብል። በደላ ኸቢድዋ እዩ እሞ፥ ክትወድቕ እያ። መሊሳውን ኣይትትስእን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ንዘለዉ ሰራዊት ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ነገስታት ድማ ኣብ ምድሪ ኽቐፅዖም እዩ። ብሓደ ኽእከቡ እዮም፤ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ከም ዝእከቡ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽዕፀዉ እዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክጥየቑ እዮም። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ክነግስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ክኸብር እዩ እሞ፥ ሽዑ ወርሒ ኽትሽቝረር፥ ፀሓይውን ክትሓፍር እያ። ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ። ንዘለኣለም ከዓ መሊሳ ኣይትስራሕን እያ። ክትፈርሐካ እያ። ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ። ንስኻ ኸዓ ንናይ ጨካናት ደርፊ ዓወት ተዝሕሎ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ንዅሎም ህዝብታት ብብሉፅ ወይንን ኣንጕዕ ብዝመልአ ስቡሕ ስጋን ብብርቱዕ ፅሩይ ወይንን ዓብዪ ምሳሕ ክገብር እዩ። ኣብ ልዕሊ እዝ እምባ እዙይ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ዝተዘርግሐ መጋረጃን ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ዘጐልበበ መሸፈንን ከጥፍኦ እዩ። ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ። ከምቲ ሓማሳይ ክሕምስ እንተሎ ኣእዳዉ ዝዝርግሕ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ማእኸሉ ኣእዳዉ ኽዝርግሕ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ንትዕቢቱን ንተንኰል ኣእዳዉን ከዋርዶ እዩ። ነቲ ዝተዓረደን ልዕል ንዝበለ ፅኑዕ ቅፅርኻን ትሕት ከብሎን፥ ከዋርዶን እዩ፤ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኽድርብዮ እዩ። ምድሓን ከንብረላ እዩ። ምእንቲ ኽኣቱ በርታት ክፈቱ። ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ። ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ። ምስ ሓመድ ድማ ይሓዋውሳ። ስጕምቲ ፅጉማትን ክትረግፃ እያ። መንገዲ ፃድቃን ተቕንዕ ኢኻ። ስምካን ዝኽርኻን ሃረርታ ነፍስና እዩ። ኣንጊሀ እደልየካ ኣለኹ። ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይሪኦን። ሓዊውን ንፀላእትኻ ኽትበልዖም እያ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ። ንሕና ግና ስምካ ጥራሕ ኢና እንዝክር። ንዅሉ መዘከሪኦምውን ኣጥፋእኻዮ። ንዅሉ ወሰን እታ ምድሪ ድማ ኣስፋሕኻ። ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ። ኣብ ቅድሜኻ ኸምኣ ኾንና። እቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩውን ይወድቑ። ብሓጐስውን ዘምሩ። ኦ ህዝበይ ነዓ፤ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻውን ብውሽጢ ዕፆ፤ ቍጥዓ ኽሳዕ ዝሓልፍ ንቑሩብ ጊዜ ተሓባእ። እንሆ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብሰንኪ ኽፍኣቶም ክቐፅዖም ካብ ስፍራኡ ይወፅእ ኣሎ፤ ምድሪ ኸዓ ንደማ ኽትቀልዖ እያ፤ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይትኽውሎምን እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ ዝተፈተወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፤ ኵልሻዕ ማይ ኣስትዮ፤ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፥ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣለኹ። ደጊም ቍጥዓ የብለይን፤ ኳዂቶን እሾዅን ክዋግኡኒ እንተ ዝትስኡ፥ ተሲአ ብሓደ መቃፀልክዎም። ወይ ከዓ ምሳይ ሰላም ይግበር፤ ንሓይለይ ይሓዝ፤ ምሳይ ሰላም ይግበር። በቲ ዝመፅእ ዘመን፥ ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፤ እስራኤልውን ክጭብጭብን ክዕምብብን እዩ። ብፍረኦም ድማ ንዓለም ክመልእዋ እዮም። ከምቲ ነቶም ወቓዕቱ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ? ወይ ከዓ ንቕቱላቱ ኸም ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ? ኰብኰቦም፤ ሰጐጎም፤ ቀፅዖም፤ ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ብሓያል ህቦብላ ኣወገዶም። እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ። እታ ዕርድቲ ኸተማ በይና ኾነት፤ ሰብ ከም ዘይብሉ ምድረ በዳ ድማ ኾነት፤ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፤ ኣብኣውን ይውዕልን፥ ጨናፍራ ኸዓ ይበልዕ ኣሎ። ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኻብ ወሓዚ ፈለግ ኤፍራጥስ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ፈለግ ግብፂ እኽሉ ኸኽይድ እዩ፤ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም። ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ! እንሆ፥ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር፥ ተዳልዩ ኣሎ። ንሱ ኸም ብርቱዕ ዝናም በረድን ከም ዘጥፍእ ንፋስ ኣውሎን፥ ከም ብርቱዕ ፃፊዓ ውሕጅን ኮይኑ፥ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኽድርበ እዩ። ትዕቢት ኣክሊል ናይቶም ሰካራማት ኤፍሬም ከዓ፥ ብእግሪ ኽርገፅ እዩ። እቲ ኣብ ርእሲ እታ ልምዕቲ ለሰ ዘሎ፥ ናይቲ ኽቡር ሽልማቱ ዝፀምለወት ዕምበባ፥ ከምታ ቕድሚ ቐውዒ ቐዲማ ዝበሰለት በለስ ክትከውን እያ፤ ሰብ ምስ ረአያ ገና ኣብ ኢዱ እንተላ ቐልጢፉ ይውሕጣ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተረፍ ህዝቡ፥ ዘውዲ ኽብርን ሽልማት ኣኽሊልን ክኾኖም እዩ። ንሱ ነቲ ኽፈርድ ዝቕመጥ፥ መንፈስ ፍትሒ፥ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዝመልሱ ኸዓ ሓይሊ ክኾኖም እዩ። ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንደልደል ይብሉ፤ ብሰንኪ ብርቱዕ መስተ ኸዓ ይሰናኸሉ። ካህናትን ነቢያትንውን ብዘስክር መስተ ሰንደልደል በሉ፤ ብወይኒ ተውሓጡ፤ ብብርቱዕ መስተ ሰንደልደል ይብሉ ኣለዉ። ራእይ እንትሪኡ ይስሕቱ፤ እንትፈርዱ ኸዓ ይጋገዩ። ኵሉ ማእዲ ብትፋኦም ርኵሰት ዝመልአ እዩ፤ ንፁህ ቦታ ኸቶ የለን። “ንመን እዩ ፍልጠት ዝምህር? ወረ ምስትውዓልከ ንመን እዩ ዝህብ? ነቶም ፀባ ዝሓደጉ? ወይ ከዓ ነቶም ጡብ እኖኣቶም ዝሓደጉ ድዩ? ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ውሑድ ኣብዙይ፤ ውሑድ ኣብቱይ እዩ።” እምበኣር እግዚኣብሄር ብዀርታዕ ከናፍርን ብቛንቋ ጓናን ነዝ ህዝቢ እዙይ ክዛረቦ እዩ። “ንሱ ግና እዚኣ እያ ዕረፍቲ፤ ንዝደኸመ ኣዕርፍዎ፤ እዚኣ እያ ቅሳነት” ኢልዎም ነይሩ፤ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ቍሩብ ኣብዙይ፥ ቍሩብ ኣብቱይ ክኾኖም እዩ። ስለዙይ ክኸዱ እንተለዉ ጥንቅልዒት ክወድቑ ክስበሩ ብመፈንጠርውን ክትሓዙ እዮም። ስለዙይ ኣቱም ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እተመሓድሩ መላገፅቲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥ ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣብ ፅዮን እምኒ መሰረት፥ ፍቱን እምኒ፥ ድልዱል ዝመሰረቱ፥ ክቡር እምኒ መዓዝን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን እዩ። በረድ ንመሕብኢ ሓሰት ክፀርጎ፥ ማያትውን ነቲ መኸወሊ ኽሽፍኖ እዩ። እቲ ምስ ሞት ዝኣተኹምዎ ኪዳን ክፈርስ፥ እቲ ምስ ሲኦል ዝተወዓዓልኩምዎ ውዕሊ ኸዓ ኣይፀንዕን እዩ፤ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ብእኡ ኽትርገፁ ኢኹም። ንግሆ ንግሆ፥ ለይትን መዓልትን ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ብዝሓለፈ ቝፅሪ ኽወስደኩም እዩ። ነዝ መልእኽቲ እዙይ ምስማዕ ራዕዲ ይኸውን። ሽዑ ኸምቲ ዓራት ሓፂርዎ ምስፋሕ ዝሰኣነ፥ ነፀላኡ ንኢስዎ መደረብታ ዝሰኣነ ሰብ ክትኮኑ ኢኹም። እግዚኣብሄር ነቲ ተኣምራታዊ ስራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ነቲ ጋሻ ዝኾነ ተግባሩ ምእንቲ ኽፍፅም፥ ከምቲ ኣብ እምባ ፐራሲም ዝነበረ ይትስእ፤ ኣብ ለሰ ገባዖን ከም ዝነበረ ኸዓ ይቝጣዕ። ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ተኣዚዙ ኸም ዘሎ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፥ ማእሰርትኹም ከይፀንዕ ደጊም ኣይተላግፁ። ፅን በሉ፤ ድምፀይ ስምዑ፤ ኣስተብህሉ፤ ዘረባይ ድማ ስምዑ። ክዘርእ ኢሉ ዅልሻዕ ንግራቱ ዝሓርስን ዝባሩን ዝጕልጕልን ሓረስታይዶ ኣሎ እዩ? ንግራቱ ምስ ኣተኻኸሎ፥ ሰሰግን ከሙንን ኣይዘርእንዶ? ስርናይ ኣብቲ ትልምታት፥ ስገም ድማ ኣብ ዝተመደበ ቦታዶ ኣይዘርእን? ንሂጕውን ኣብ ቦታኡዶ ኣይዘርእን? እዙይውን ኣምላኹ ይምህሮን፥ የፍልጦን እዩ። ንሰሰግ ብኣብዑር፥ ንከሙን ብመንኰራዅር ሰረገላ ኣየኺዶን እዩ። እኳ ደኣ ንሰሰግ ብጨንፈር፥ ንከሙን ድማ ብሸቦጥ እዩ ዝዘብጦ። እኽሊ ይጠሓን እምበር ንሓዋሩ ኣየኺዶን እዩ፤ መንኰራዅር ሰረገላን ኣፍራስን እንተኽየደሉ እኳ ኣይጠሓንን እዩ። እዝ ዅሉ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝወፀ እዩ። ንሱ ብምኽሩ ዘገርም፥ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ። ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ ኸተማ ኣርኤር፥ ወይለኺ! ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፤ በዓላትውን ይመለሱ። ኣነ ንኣርኤር ከጨንቐላ እየ፤ ዋይ ዋይታን ቍዘማን ክኾና እዩ። ንሳውን ከም ኣርኤር ክትኮነኒ እያ። ኣነ ኣብ ዙርያኺ ኽሰፍር እየ፤ ብቕፅሪ ኸቢበ ኸጨንቐኪ፥ ኣብ ልእሌኺውን ዕርዲ ኽቐውም እየ። ሽዑ ኽትዋረዲ፥ ኣብ ምድሪ ዄንኺ ኽትዛረቢ ኢኺ፤ ቃልኪውን ትሕት ኢሉ ኻብ ሓመድ ክወፅእ፥ ድምፅኺውን ካብ መሬት ከም ዝወፅእ፥ ድምፂ ፀዋዒ መናፍስቲ ክኸውን እዩ፤ ቃልኪ ድማ ኻብ ሓመድ ሕሽዅሹኽ ክብል እዩ። ብዝሓት ፀላእትኺ ግና ኸም ልሑም በነንታ፥ እቶም መጨነቕትኺ ኸዓ ኸም ዝሓልፍ ብቝቡቕ ክኾኑ እዮም፤ እዙይውን ብድንገት ክኸውን እዩ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብነጐድጓድን ብምንዋፅ ምድርን፥ ብብርቱዕ ሞገድን ብኣውሎ ንፋስን፥ ብፀፍዒ ማይን ብዘቃፅል ሃልሃልታ ሓዊን፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩ። ሽዑ ብዝሒ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣርኤር ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብዝሒ ዅሎም እቶም ንኣኣን ንዕርዳን ዝወግኡን ዘጨንቕዋን፥ ከም ሕልምን ከም ራእይ ለይትን ክኸውን እዩ። ኵሎም እቶም ንእምባ ፅዮን ዝወግኡ ኣህዛብ፥ ከምቲ ጥሙይ ብሕልሙ ዝበልዕ፥ ግና ጥራሕ ከብዱ ዝነቅሕ፥ ከምቲ ፅሙእ ብሕልሙ ዝሰቲ፥ ግና ብፅምእቲ ነፍሱ ዝትስእ፥ ክኾኑ እዮም። ተደነቑን ተገረሙን፤ ተዓመቱን ዕዉራትውን ኩኑ፤ ስኹራት እዮም ግና ብወይኒ ኣይኮነን። እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑልኩም እዩ እሞ፥ ነዒንትኹም ደፈነ፤ ንነቢያትን ንመራሕትኹምን ንሰብ ራእይን ከዓ ኣዐመቶም። ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መፅሓፍ ኮይንኩም ኣሎ፤ ንሓደ ንባብ ዝፈልጥ “በይዛኻ እስኪ እዙይ ኣንብበልና” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱ “ሕቱም ስለ ዝኾነ፥ ከንብቦ ኣይክእልን” ይብሎም። ንሓደ ንባብ ዘይፈልጥ ከዓ “እንካ እስኪ ነዙይ ኣንብብ” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱውን “ምንባብ ኣይክእልን እየ” ይብሎም። ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።” እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም! እዙይ ናታትኩም ቀይናንነትዶ ኣይኮነን? ከም ሰራሒ መሬትዶ እትቝፀሩ ኣይኮንኩምን? ስሩሕዶ ንሰራሒኡ “ንስኻ ኣይሰራሕኻንን” ይብሎ እዩ? ወይ እቲ እተገብረ፥ ንገባሪኡዶ “ኣይተስተውዕልን ኢኻ” ይብሎ እዩ? ዱር ሊባኖስ ናብ ፍርያም ግራት ክልወጥ፥ እቲ ፍርያም ግራት ከዓ ኸም ዱር ክቝፀር፥ ቁሩብ ጊዜዶ ኣይኮነን ተሪፉ ዘሎ? በታ መዓልቲ እቲኣ ፀማማት ንቓል እቲ መፅሓፍ ክሰምዑ፥ እተን ኣብ ፅልግልግን ፀልማትን ዝነበራ፥ ኣዒንቲ ዕዉራት ከዓ ኽሪኣ እየን። እቶም ትሑታት ብእግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸል ሰብ ዘለዉ ድኻታት ከዓ፥ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሕጐሱ እዮም። ጨካናት ድሕሪ ደጊም ኣይህልዉን እዮም፤ እቶም መላገፅቲ ኽጠፍኡ፥ ንኽፍኣት ዘድብዩ ዅሎም ክውገዱ እዮም። እቶም ንሰብ ብነገር በደለኛ ዝገብርዎ፥ ነቲ ኣብ ደገ ዝግስፅ ድማ መፈንጠር ዘፃውዱሉ፥ ነቲ ፃድቕ ብኸንቱ ዘስሕትዎ ኽጠፍኡ እዮም። ስለዙይ እቲ ንኣብርሃም ዝተቤዘዎ እግዚኣብሄር፥ ንቤት ያእቆብ ከምዙይ ይብል፦ “ደጊምስ ያእቆብ ኣይሓፍርን፥ ገፁውን ኣይፅምሉን እዩ። ነቶም ኣነ ዝሃብክዎ ደቁ ምስ ረአየ ግና፥ ሽዑ ንሳቶም ንስመይ ክቕድሱ፥ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ድማ ኽቕድሱ፥ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽፈርሑ እዮም። እቶም ብመንፈስ ዝተጋገዩ ኸስተውዕሉ እዮም፤ እቶም መጕረምረምቲ ኸዓ ትምህርቲ ኽቕበሉ እዮም።” ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ። ቃል ኣፈይ እንተይጠየቑ፥ ብሓይሊ ፈርዖን ክፀንዑ፥ ብፅላል ግብፂ ምእንቲ ኽፅግዑ፥ ናብ ግብፂ ይወርዱ ኣለዉ። ግና ሓይሊ ፈርዖን መነወሪኹም፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ግብፂ ምፅጋዕኹም ድማ ፀርፊ ክኾነኩም እዩ። እቶም ኣሕሉቖም ኣብ ጣኔዎስ፥ ልኡኻቶምውን ኣብ ሓኔስ እንተ በፅሑ፥ ኵላቶም ክጠቕምዎ ስለ ዘይኽእሉ፥ ሕፍረትን ፀርፍን እምበር፥ ረድኤትን ረብሓን ስለ ዘይኮኑ፥ ህዝቢ ኽሓፍሩ እዮም።” ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ዘለዉ እንስሳታት ዝተነግረ ፆር። “በታ ተባዕታይን፥ ኣንስተይትን ኣናብስን መንደላይ ተመንን ዝነፍር ገበልን ዘለዋ፥ ምድሪ መከራን ጭንቅን ኣቢሎም፥ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ፥ ንመዛግብቶም ከዓ ኣብ ምንጕዳ ኣግማል ፅዒኖም፥ ሓንቲ እኳ ናብ ዘይጠቕሞም ህዝቢ ይወስዱሉ ኣለዉ። ግብፂ እትህቦ ሓገዝ ብላሽ እዩ፤ ስለዙይ ‘ስማ ረዓብ፥ ስቕ ኢላ እትቕመጥ’ ኢለ ፀዋዕኽዋ።” እምበኣር ኪድ እሞ “ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ ሰሌዳ ፀሓፎ፤ ንዝመፅእ ዘመንን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ምእንቲ ኽነብር፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ” በለኒ። ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ። ነቶም ራእይ ዝሪኡ “ራእይ ኣይትርኣዩ” ንነቢያትውን “ቅኑዕ ትንቢት ኣይትነበዩልና፤ ዘሐጕስ ደኣ ንገሩና፤ ጥበራውን ተነበዩልና። ካብ ጐደና ኣግልሱ፤ ካብ መንገዲውን ረሓቑ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ” ይብሉ። ስለዙይ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል፦ “ንቓለይ ንዒቕኩም፥ ኣብ ዓመፅን ክድዓትን ተወኪልኩም፥ ንእኡ መፀግዒ ኻብ ገበርኩም፥ እዝ በደል እዙይ ከምቲ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፥ ከምቲ ብድንገትን ብቕፅበትን ክፈርስ ዝዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክኾነኩም እዩ። ከምቲ መፅሓሪ ሓዊ ወይ መቕድሒ ማይ ዝኸውን፥ ገልዒ ዘይርከቦ ሓሸምሸም ኢሉ ዝስበር ዕትሮ፥ ብዘይ ምሕረት ኽሰባበር እዩ።” እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤” ንስኻትኩም ግና ኣበኹም። እኳ ደኣ በፍራስ ተቐሚጥና ኢና በልኩም። ስለዙይውን ክትሃድሙ ኢኹም፤ መሊስኩም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንቕመጥ ኢና በልኩም፤ እንተ ኾነ እቶም ዘሳጕጉኹም ዝቐልጠፉ ክኾኑ እዮም። ብምፍርራሕ ሓደ ሰብኣይ፥ ካባኻትኩም ሽሕ ሰባት ክሃድሙ እዮም። ኣብ ልዕሊ ጫፍ እምባ ኸም ዝተተኸለ፥ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ኸም ዝቖመ ምልክት ኴንኩም ክሳዕ እትተርፉ፥ ኵልኹም ክትሃድሙ ኢኹም። ካብ ምፍርራሕ ሓሙሽተ ሰባት ዝተልዓለ ኽትሃድሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም። ኣታ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ፅዮን እትነብር ህዝቢ! ኻብ ደጊም ኣይትበክን ኢኻ። ናብኡ ኽተእዊ እንተለኻ ኽርህርሀልካ እዩ፤ ምስ ሰምዐካውን ክምልሰልካ እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ጭንቀት እንጀራን፥ ናይ መከራ ማይን እንተ ሃበካ እኳ፥ መምህርካ ደጊም ካባኻ ኣይስወርን፤ ኣዒንትኻውን ንመምህርካ ኽሪኣ እየን። ንየማን ወይ ንፀጋም እንተ ኣግለስካ፥ ብድሕሬኻ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ኺድ” ዝብል ድምፂ ኣእዛንካ ኽሰምዓ እየን። ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ። ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ፥ ዝናም ክህብ እዩ፤ ካብ ምድሪ ዝርከብ እንጀራ ድማ፥ ጥዑምን ሕልፍን ትርፍን ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከብትኻ ኣብ ሰፋሕቲ ሰውሕታት ክጓሰያ እየን። እቶም ንምድርኻ ዝሓርሱ ኣብዑርን ኣእዱግን ከዓ፥ ብመስአን ብሰፍእን ዝፀረየ፥ ጨው ዝጥዕም ጕርዲ ኽበልዑ እዮም። በታ ዕርድታት ዝወድቁላ፥ ዓባይ መዓልቲ ህልቀት፥ ካብ ኵለን ነዋሕቲ እምባታትን በረኽቲ ዀረብታታትን፥ ሩባታትን ወሓዝትን ክውሕዙ እዮም። በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ። እንሆ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዝነድድ ቍጥዓኡን፥ ምስ ዝዕብልኽ ትክን ካብ ርሑቕ ይመፅእ ኣሎ፤ ከናፍሩ ብቝጥዓ ዝመልኣ፥ መልሓሱ ኸዓ ኸም ዘቃፅል ሓዊ እዩ። እስትንፋሱ ኸምቲ ንዅሉ ፀራሪጉ ዝወስድ፥ ክሳዕ ክሳድ ድማ ኸም ዝበፅሕ ምልኣት ማይ ውሕጅ እዩ፤ ንሱ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብመንፊት ጥፍኣት ይነፍዮም፤ ኣብ ምንጋጋ ህዝብታት ድማ፥ ዘጋጊ ልጓም ከእቱ እዩ። ንስኻትኩም ግና ኸምታ ቅዱስ በዓል ዝበዓለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም። ከምቲ ኣብ እምባ እግዚኣብሄር ናብቲ ኰዅሒ እስራኤል፥ ብቓና እምብልታ ኽድይቡ እንተለዉ፥ ከምኡ ናይ ልቢ ደስታ ክኾነልኩም እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ምውራድ ቅልፅሙ ኸዓ ብቝጥዓኡን፥ ብዝነድድ ሃልሃልታ ሓዊን፥ ብንፋስ ኣውሎን ፀፍዕን ነጐድጓድን፥ በእማን በረድን ከርኢ እዩ። ኣሶርውን ብበትሪ ኻብ ዝወቕዖ ኻብ ድምፂ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ኽድንግፅ እዩ። ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዘውረደሉ ናይ በትሪ መቕፃዕቲ፥ ብኸበሮን ብመሰንቆን ክኸውን እዩ። ኣብ ውግእውን ቅልፅሙ ኣልዒሉ፥ እግዚኣብሄር ክዋግኦም እዩ። ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ። ናብ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዘይምልከቱ፥ ንእግዚኣብሄርውን ዘይደልዩ፥ ግና ሓገዝ ደልዮም ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ በፍራስ ንዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሰረገላታት የመናውን ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብጕልበት ፈረሰኛታት ዝምክሑ ወይለኦም! ግና ንሱ ጠቢብ እዩ፤ ንኽፉእ ነገር የምፅኦ፤ ቃሉውን ኣይዓፅፍን። ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓገዝቲ ኽፉኣትን ክለዓል እዩ። ግብፃውያን ሰባት እዮም፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን። ኣፍራሶም ከዓ ስጋ እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ እንትዝርግሕ እቲ ረዳኢ ይሰናኸል፤ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ይጠፍኡ። እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን፥ ብግዳዩ እንትጓዝም፥ ብዙሓት ጓሶት እኳ ተፀዋዊዖም እንተ መፅዎ፥ ብድምፆም ከም ዘይድንግፅ፥ ዋጭ ዋጭ ብምባሎም ከም ዘይፈርሕን፥ ከምኡ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኰረብታኣን፥ ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ። ከምተን ዝነፍራ ኣዕዋፍ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንኢየሩሳሌም ከዕቝባ እዩ፤ እወ ኸዕቝባን ከናግፋን ክከላኸለላን ከድሕናን እየ።” “ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ናብቲ ኻብኡ እምብዛ ዝረሓቕኩምዎ ተመለሱ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝሰርሓኦም ጣዖታት ብሩርን ወርቅን፥ ክትድርብዩ ኢኹም እሞ። ሽዑ ኣሶር፥ ናይ ሰብ ብዘይኮነ ሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ናይ ሰብ ዘይኮነ ሰይፊ ኽበልዖ እዩ። ካብ ሰይፊ እውን ክሃድም እዩ፤ ኣጓብዙውን ባሮት ክኾኑ እዮም። ካብ ራዕዲ ዝተልዓለ፥ ፅኑዕ ዕርዲ ኽፈርስ እዩ፤ እቶም መራሕቱውን፥ ካብ ሰንደቕ ዕላማኡ ዝተልዓለ ኽድንግፁ እዮም” ይብል እቲ ሓዊኡ ኣብ ፅዮን፥ እቶኑ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ንጉስ ብፅድቂ ይነግስ፤ መሳፍንትውን ብፍትሒ ይገዝኡ። ሰብ ድማ ኻብ ንፋስ ከም መኸወሊ፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ ኸም መፀግዒ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ከም ፅላል ዓብዪ ኰዅሒ ክኸውን እዩ። ዓይኒ ዝሪኡ ሰባት፥ ኣይዕመትን፤ ዝሰምዑ ኣእዛንውን ከዳምፁ እዮም። ልቢ እቶም ዝንጉዓት፥ ፍልጠት ከስተውዕል እዩ፤ መልሓስ ኰርታዕውን ኣፅርዩ ኽዛረብ እዩ። ድሕሪ ደጊም ሰነፍ፥ ክቡር ተብሂሉ ኣይፅዋዕን፤ ስሱዕውን ለጋስ ኣይበሃልን እዩ። ሰነፍ ስንፍና ይዛረብ፤ ልቡ ዝንጉዕነት ምእንቲ ኽፍፅም፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ስሕተት ምእንቲ ኽዛረብ፥ ንጥሙይ ጥራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ንፅሙእ ድማ ዝስተ ምእንቲ ኽኽልክል፥ ሕሰም ይዛረብ፤ ልቡ ኸዓ ኽፍኣት ይሰርሕ። ኣቕሓ ህሩፍ ክፍእቲ እያ፤ ፅጉም ቅኑዕ ነገር ኣብ ዝናገረሉ፥ ንሱ ብቓል ሓሰት፥ ነቲ ድኻ ንምጥፋእ፥ ክፉእ ሓሳብ ይሓስብ። ክቡር ሰብ ግና ኽቡር ሓሳብ ይሓስብ፤ ኣብ ክቡር ነገር ከዓ ፀኒዑ ይነብር። ኣትን መችዩክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ተስኣ እሞ ድምፀይ ስምዓ፤ ኣትን ግዲ ዘይብልክን ኣዋልድ፥ ናብ ዘረባይ ኣድምፃ። ኣትን ሕዚ መችዩክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ድሕሪ ዓመትን ቍሩብ መዓልትን፥ ምቝራፅ ዘቢብን ምእራይ ፍረታትን ክጠፍእ እዩ እሞ፥ ክትድንግፃ ኢኽን። ኣትን ጥዒሙክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ደጊም ተሸበራ፤ ኣትን ግዲ ዘይብልክን ኣዋልድ ረዓዳ። ክዳንክን ቀንጥጣ እሞ ጥራሕኽን ኩና። ኣብ ሕቘኽን ከዓ ወጮ ተዓጠቓ። ስለ እቲ ልሙዕ ግራትን ስለ እቲ ፈራዪ ኣታኽልቲ ወይንን፥ ኣፍ ልብኽን ውቕዓ። ኣብ ምድሪ ህዝበይ፥ ኣብታ ሕጕስቲ ኸተማ ዘለዋ ዝሕጐሱለን ዝነበሩ ኣባይቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ክበቍል እዩ። እታ ኣዳራሹ ዑና ኽትከውን እያ፤ እታ ናይ ብዙሓት ሰባት ከተማውን ፀው ክትብል እያ። ዕርድን ግምብን ከዓ ንሓዋሩ መዐንደሪ ኣድጊ በረኻን መዋፈሪ መጓሰን ክኸውን እዩ። እዙይ ዝኸውን መንፈሱ ኻብ ላዕሊ ኽሳዕ ዘፍስሰልና፥ እቲ ምድረ በዳ ኸም ፈራዪ መሬት፥ እቲ ልሙዕ መሬት ድማ ኸም ዱር ክሳዕ ዝቝፀር እዩ። ሽዑ ፍትሒ ኣብ ምድረ በዳ ኽሰፍር፥ ፅድቂውን ኣብ ልሙዕ መሬት ክነብር እዩ። ናይ ፅድቂ ስራሕ ሰላም፥ ናይ ፅድቂ ፍረ ድማ፥ ንዘለኣለም ህድኣትን ምትእምማንን ክኸውን እዩ። ህዝበይ ከዓ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሕደሪን ኣብ ዘተኣማምን ኣባይትን፥ ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ። ግና በረድ ኣብ ልዕሊ ዱር ይወርድ፤ እታ ኸተማ እውን ፈፂማ ኽትዋረድ እያ። ኣቱም ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እናዀብኰብኩም ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማያት እትዘርኡ ብሩኻት ኢኹም። ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ። ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና። ህዝብታት ካብ ድምፂ ዋዕዋዕታ ዝተልዓለ ሃደሙ፤ ብምትሳእኻውን ኣህዛብ ተበተኑ። ኣንበጣ ኸም ዝእከብ፥ ዝዘመትኩምዎ ክእከብ እዩ፤ ኵብኵብታ ኸም ዝዘልል፥ ሰባት ክዘልሉ እዮም። እግዚኣብሄር ኣብ ኣርያም ይነብር እዩሞ ልዕል ልዕል በለ፤ ንፅዮን ብፍትሕን ብፅድቅን መልኣ። ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ፍልጠትን ጥበብን ክኸውን እዩ። ምፍራሕ እግዚኣብሄር ድማ መዝገቡ እዩ። እንሆ፥ ጀጋኑኦም ኣብ ደገ የእውዩ ኣለዉ፤ እቶም ናይ ሰላም ልኡኻት ከዓ፥ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ። ኣውራ መንገድታት ባደሙ፤ ሓላፊ መንገዲ ተስኣነ። ቃል ኪዳን ኣፍረሰ፤ ከተማታት ነዓቐ፤ ንሰብ ሓደ እኳ ኸም ሰብ ኣይረአዮን። እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ። እግዚኣብሄር “ሕዚ ኽትስእ፥ ሕዚ ክኸብር፥ ሕዚ ልዕል ክብል እየ፤ ይብል ኣሎ። ሓሰር ጠነስኩም፤ ቡቕቡቕውን ወለድኩም፤ እስትንፋስኩም ከዓ ዝበልዐኩም ሓዊ እዩ። ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ኽነዱ፥ ከምቲ ተቘሪፁ ኣብ ሓዊ ሞዅ ዝብል ቈጥቋጥ እሾዅ ክኾኑ እዮም። ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ዝገበርክዎ ስምዑ፤ ኣብ ቀረባ ዘለኹምውን፥ ሓይለይ ፍለጡ።” ኣብ ፅዮን ዘለዉ ሓጥኣን ፈሪሖም ኣለዉ፤ ንኽፉኣት ሰባት ድማ ራዕዲ ሒዝዎም ኣሎ፤ ካባናኸ ምስ ዝባላዕ ሓዊ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? ኻባናኸ ምስቲ ናይ ዘለኣለም ባርዕ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? እቲ ብፅድቂ ዝነብር፥ ቅንዕና ዝዛረብ፥ ገንዘብ ዓመፃ ዘይደሊ፥ ጉቦ ኸይቕበል ኢዱ ዝእክብ፥ ደም ምፍሳስ ከይሰምዕ እዝኑ ዝዓፁ፥ ክፉእ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዝዕምት፥ ንሱ ኣብ በሪኽ ቦታ ኽነብር፥ ፅኑዕ እምባታት ከዓ መፀግዒኡ ክኸውን፥ እንጀራኡ ድማ ኽረክብ እዩ፤ ማዩውን ኣይነፅፍን እዩ። ኣዒንትኻ ነቲ ንጉስ ብፅባቐኡ ኽሪኣኦ እየን፤ ርሑቕ ንዘላ ሃገርውን ክምልከታ እየን። ብልብኻ ድማ “ፀሓፊ ኣበይ ኣሎ? መዛኒኸ ኣበይ ኣሎ? ግንብታት ዝቘፅር ኣበይ ኣሎ?” እናበለ ዘፍርሕ ነገር ይሓስብ። ነቲ ጨካን ህዝቢ፥ ነቲ ዘይርዳእ ቋንቋ ዝዛረብ፥ ነቲ ዘይስማዕ ኰርታዕ ዝመልሓሱ ህዝቢ፥ ኣይትሪኦን ኢኻ። ንፅዮን፥ ነታ ናይ በዓላትና ኸተማ ተመልከታ፤ ኣዒንትኻ ናይ ሰላም መሕደሪ፥ ነታ ዘይትዘናበል ድንኳን፥ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይንቀል፥ ኣውታራ ኸዓ ኸቶ ዘይብተኽ፥ ንዝኾነት ኢየሩሳሌም ክሪኣ እየን። ኣብኣተንውን እግዚኣብሄር ሰፋሕቲ ወሓይዝን ቦታ መስኖን ኮይኑ፥ ብግርማኡ ምሳና ክኸውን እዩ። ብመቕዘፍ ዝምርሓ መራኽብ ኣይኣትዋኣን፥ ዓበይቲ መራኽብውን ብኣኣ ኣይሓልፋን እየን። ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ። ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩስ ሓደ እኳ “ሓሚመ” ዝብል ኣይህሉን። ኣብኣ ንዝቕመጡ ህዝቢ እውን በደሎም ይቕረ ክበሃለሎም እዩ። ኣቱም ኣህዛብ፥ ክትሰምዑ ቕረቡ! ኣቱም ህዝብታት ፅን በሉ፤ ምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን እቲ ዅሉ ኻብኣ ዝወፅእን ይስማዕ። ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ፥ መዓቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊት እዩ፤ ፈፂሙ ኸዓ ኸጥፍኦም እዩ፤ ንማሕረዲውን ከወፍዮም እዩ። እቶም ካብኣቶም ዝተቐትሉ ናብ ደገ ኽድርበዩ እዮም፤ ሬሳኣቶምውን ክጨኑ እዩ፤ እምባታት ድማ ብደሞም ክርሕሱ እዮም። ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ክጠፍኡ እዮም፤ ሰማያትውን ከም መፅሓፍ ክጥቕለሉ እዮም፤ ከምቲ ቘፅሊ ኻብ ተኽሊ ወይንን፥ ካብ ኦም በለስን ዝረግፍ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ኸምኡ ኽረግፉ እዮም። ሰይፈይ ኣብ ሰማይ ኮይና ኽሳዕ እትረዊ ሰትያ ኣላ፤ እንሆ፥ ኣብ ኤዶምያስን፥ ኣብቲ ዝረገምክዎ ህዝብን፥ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ። እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ድማ ብዙሕ ሕሩድ ክገብር እዩ እሞ፥ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተኣሊኻ ኣላ፤ ብስብሕን ብደም ጡበታትን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ማጓሉን ከዓ ተሸፊና ኣላ። ምስኣቶም ድማ ጐባያትን ኣእሩሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፤ ሃገሮም ከዓ ብደም ክትረዊ፥ ሓመዶምውን ብስብሒ ኽትረጕድ እያ። መዓልቲ በቀል እግዚኣብሄር፥ ስለ ፅዮን ክርክር፥ ዓመት ምፍዳይ ሕነ እዩሞ። ወሓይዝ ኤዶምያስ ናብ ቅጥራን፥ ሓመዳ ኸዓ ናብ ዲን ክልወጥ፥ ምድራውን ነዳዲ ቕጥራን ክኸውን እዩ። ለይትን መዓልትን እንተይጠፍአ ኽነድድ እዩ። ትካ ንዘለኣለም ክተክኽ፥ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ኽትባድም፥ ንዘለኣለም ሓደ እኳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ። ሊሎን ኣባ ጕምባሕን ቅንፍዝን ናቶም ክገብርዋ፥ ጕጓን ኳዅን ክነብርዋ እዮም። ኣብ ልዕሌኣውን ናይ ምፍራስ ገመድ፥ ናይ ጥፍኣታ መለክዒ ቱምቢን፥ ክዝርግሐላ እዩ። መሳፍንታ ናብ መንግስቲ ይፅውዑ፤ ግና ሓደ እኳ ኣይርከባን፤ ኵላቶም መሳፍንታ ኸንቱ ክኾኑ እዮም። እሾዅ ኣብ ኣደራሻታ፥ ኣምዐን ኳዂቶን ከዓ ኣብ ዕርድታታ ኽበቍል እዩ፤ ሰፈር ወኻሩን መውዓሊ ሰገንን ክትከውን እያ። ኣራዊት በረኻን ተዃሉን ኣብኣ ይራኸቡ፤ ኣጋንንቲ ኸዓ ይፀዋውዑ፤ ዛር ለይቲ ድማ ኣብኣ ይነብር፤ ቦታ ዕረፍቲውን ይረኽበላ። ጕጓ ኣብኣ ሰፈራ ትሰርሕ፤ እንቍላሊሓውን ክተውድቕ፥ እንቝላሊሓ ጨጪሓ ከዓ ንጨቓዊታ በኽናፋ ኽትሓቝፈን እያ። ኣብኡውን ኣሞራታት ነንሕድሕዶም ምስ ብፆቶም ክእከቡ እዮም። ኣብ መፅሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፥ ኣፈይ ኣዚዙ እዩሞ፥ መንፈሱውን ኣኪብዎም እዩሞ፥ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ መፃምዲውን ኣይስእንን እዩ። ንሱ እዩ ዕፃ ዘውደቐሎም፥ ኢዱውን ብገመድ ከፈለትሎም። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ይገዝእዋ፤ ንውሉድ ወለዶውን ክነብርዋ እዮም። ከም ፅጌረዳ ድማ ኽዕምብብ እዩ። ግርማ ኣምላኽናን ክሪኡ እዮም። ንዝላሕልሑ ኣብራኽ ኣፅንዑ። ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመፅእ እዩ” በልዎም። ኣእዛን ፀማማት ክኽፈታ እየን። ኣብ ምድረ በዳ ኽፍልፍል እዩ። መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ክትከውን እያ። ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ። ብኣኣ ዝኸዱ ዝደሓኑ ጥራሕ እዮም፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም። ከምዙይ ከዓ ኾነ፦ ሕዝቅያስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ነተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዅላተን ደዪቡ ሓዘን። ኣብ ላኪሶ ኮይኑ ኸዓ፥ ንራፋስቂስ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ፥ ናብ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ለኣኾ። ንሱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ሓፅቢ መስኖ፥ ብመንገዲ ግራት ሓፃቢ ገይሩ፥ ናብቲ ላዕለዋይ መፂኡ ደው በለ። ሽዑ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ እቲ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን ናብኡ ወፁ። ራፋስቂስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ንሕዝቅያስ፥ እቲ ዓብዪ ንጉስ ኣሶር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንገርዎ፦ እዝ እትተኣማመኖ ዘለኻ መተኣማመኒ እንታይ እዩ?” ብኣፍካ “ሜላ ውግእን ዓቕምን ኣለኒ” ምባልካ ኸንቱ እዩ። ኣብ ልዕለይ እትዕምፅ ደኣ፥ ኣብ መን ተኣማሚንካ ኢኻ? እንሆ፥ በቲ ቕጥቁጥ ምርኩስ ሻምብቆ ዝኾነ ግብፂ ትተኣማመን ኣለኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፥ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የቝስሎ፤ ንጉስ ግብፂ ኸዓ ነቶም ኣብኡ ዝተኣማመኑ ዅሎም ከምኡ እዩ። “ንሕናስ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንውከል እንተ በልካኒ፥ ንስኻ ሕዝቅያስ ባዕልኻዶ ኣይኮንካን ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ሓደ መሰውኢ ጥራሕ ስገዱ፤ እናበልካ ንዀረብታታትን መሰውኢታትን ዘፍረስካ? እስኪ ሕዚ ምስ ጐይታይ፥ ምስ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፤ ንስኻ ዝቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፥ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ። ንስኻ ንሓደ ሓለቓ ናይቶም ኣናእሽቱ ሓሻኽር ጐይታይ፥ ንድሕሪት ክትመልስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ግና ኣብ ናይ ግብፂ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተኣማሚንካ ኣለኻ። ሕዚኸ ነዛ ሃገር ብዘይ ፈቓድ እግዚኣብሄር፥ ከጥፍኣ ዝደየብኩ ድዩ መሲሉካ? ናብዛ ሃገር ደይብካ ኣጥፍኣያ ዝበለኒ፥ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ።” ሽዑ ኤልያቄምን ሳምናስን ኢዮኣስን ንራፋስቂስ “ቋንቋ ሶርያ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ ንባሮትካ ብእኡ ተዛረበና። ግና ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቅፅሪ ዘለዉ ህዝቢ፥ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ። ራፋስቂስ ግና “ጐይታይ እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ምስ ጐይታኻን ምሳኻን ጥራሕ ክዛረብ ድዩ ዝለኣኸኒ? ኣይፋሉን፤ ምሳኻትኩም ኵስሖም ክበልዑን፥ ሽንቶም ክሰትዩን፥ ኣብ ቅፅሪ ተቐሚጦም ናብ ዘለዉ ሰባትውንዶ ኣይኮነን ዝለኣኸኒ?” በለ። ድሕሪዙይ ራፋስቂስ ደው በለ እሞ፥ ዓው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ፥ “ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ ኣሶር ስምዑ። እቲ ንጉስ ከምዙይ ይብል፦ ሕዝቅያስ ከድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ ኣየዕሽኹም። ሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ብርግፅ ከድሕነና እዩ፤ እዛ ኸተማውን ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ክትተኣማመኑ ኣይግበርኩም። ንጉስ ኣሶር ‘ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝመፅእ እሞ ንምድሪኹም ናብ እትመስል ምድሪ፥ እኽልን ወይንን፥ ምድሪ እንጀራን ኣታኽልቲ ዘቢብን፥ ክሳዕ ዘብፅሐኩም ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይውን ውፁ። ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ኦም በለሱ ኽበልዕ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ማይ ዒላኡ ኽሰቲ እዩ’ ይብል ኣሎ። ሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ’ እናበለ ኣየታልልኩም፤ ካብ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ንሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሓነ መን ኣሎ? ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርፋድን ኣበይ ኣለዉ? ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለዉ? ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣድሒኖምዋ እዮም? ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት፥ ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ ኣየናይ እዩ? እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ከመይ ከድሕና ይኽእል?” በለ። ንሳቶም ግና ሱቕ በሉ፤ ንጉስ ሕዝቅያስ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙዎም ስለ ዝነበረ፥ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። ድሕሪዙይ ኤልያቄም፥ ወዲ ኬልቅያ፥ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ፥ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም፥ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ተመለሱ። ዘረባ ራፋስቂስ ከዓ ነገርዎ። ከምዙይውን ኮነ፦ ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ኸዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ። ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ንሳምናስ ፀሓፍን፥ ነቶም ሽማግለታት ካህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ክኸዱ ለኣኾም። ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ፥ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ መዓልቲ ጭንቀትን ዘለፋን ውርደትን እያ። ቈልዑ ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን። ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ፥ ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክፃረፍ ዝለኣኾ፥ ናይ ራፋስቂስ ፀርፊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰሚዑ፥ ነቲ ዝተፃረፈ ይቐፅዖ ይኸውን። ንስኻ ኸዓ ምእንቲ እቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍ ፀሎት ግበር።” እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ ሕዝቅያስ ከዓ ናብ ኢሳይያስ ከዱ። ኢሳይያስ ድማ “ንጐይታኹም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በተን ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝፀረፉለን፥ ንስኻውን ዝሰማዕኻየን ቃላት ኣይትፍራሕ። እንሆ፥ ወረ ሰሚዑ ናብ ሃገሩ ምእንቲ ኽምለስ፥ መንፈስ ክሰደሉ እየ፤ ኣብኡ ኸዓ ብሰይፊ ኸም ዝመውት ክገብሮ እየ’ በልዎ” በሎም። ሽዑ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሶ ከም ዝተልዓለ፥ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ ራፋስቂስ ተመሊሱ ኣብ ልብና እናተዋግአ ረኸቦ። ሰናክሬም፥ “ቲርሃቅ ንጉስ ኢትዮጵያ ኽዋግአካ ይመፅእ ኣሎ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ፦ “እቲ እትተኣማመነሉ ዘለኻ ኣምላኽካ ‘ኢየሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ኣየስሕትካ። እንሆ፥ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወን ሰሚዕኻ ኣለኻ፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኽትድሕን እትኽእል? ኣቦታተይ፥ ንኸተማታት ጎዛንን ካራንን ራፊስን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደንን፥ ኣማልኽቶምዶ ኣድሒኖምዎም እዮም? ንጉስ ሃማትን ንጉስ ኣርፋድን ንጉስ ከተማ ሴፈርዋይምን ንጉስ ሄናን ኢዋንከ ኣበይ ኣለዉ?” ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ፥ ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ዘርግሓ። ሕዝቅያስ ከምዙይ እናበለ ኸዓ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ፦ “ኦ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘለኻ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝንኻ ፅሎ እሞ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ረአ፤ ነተን ሰናክሬም ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ፥ ዝለኣኸን ኵለን ቃላት ስምዓየን። ኦ እግዚኣብሄር፥ ነገስታት ኣሶር፥ ንዅለን ሃገራትን ምድሮምውን ከም ዘዕነዉ፥ ሓቂ እዩ። ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርበይዎም፤ ንሳቶም ስራሕ ኢድ ሰብ፥ ዕንፀይትን እምንን እዮም እምበር፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ኣጥፍእዎም። ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ፥ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃንካ ምእንቲ ኽፈልጣስ፥ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።” ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “እቲ ብዛዕባ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ” እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ንዒቓትካን ኣባጪያትልካን ኣላ፤ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ፥ ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ። ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።” ሓሽከርካ ልኢኽካ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢልካ ፀረፍካዮ፤ “ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደዪበ ነቲ ፀፅቡቕ ፅሕድታቱን ንነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርፆ እየ። ናብቲ ላዕለዋይ ጫፉን፥ ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበፅሕ እየ። ኵዒተ ማይ ሰተኹ፤ ብኸብዲ እግረይ ንዅሉ ሩባታት ግብፂ ኸንፅፎ እየ” እናበልካ ተዘሃርካ። “ነዙይ ካብ ቀደም ከም ዘዳለኽዎ፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኸም ዝገበርክዎ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? ሕዚ ኸዓ፥ እንሆ ኽፍፅሞ እየ፤ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ፥ ኵምራ ዑናታት ክትገብረን ገበርኩኻ። እቶም ኣብኣተን ዝነብሩ፥ ሰነፉን ደንገፁን ተሃወኹን፤ ከም ሳዕሪ በረኻን፥ ከም ልሙዕ ቘፅልን፥ ከም ሳዕሪ ናሕስን፥ ከምቲ እንተይበቘለ ዝሃጕጕ ዘርእን ኮኑ። “ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውፃእኻን ምእታውካን ኣብ ልዕለይ ከም ዝተቘጣዕኻን እፈልጥ። ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ። “እዙይ ከዓ ምልክት ይኹንካ ‘በዝ ዓመትዙይ ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፥ ንዓመታ ኸዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ፥ ክትዘርኡን ክትዓፅዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ፥ ፍረኡ ኽትበልዑ ኢኹም። እቲ ዘምለጠ ተረፍ ቤት ይሁዳ፥ ሱሩ ንታሕቲ ኽሰድድ፥ ኣብ ላዕሊውን ክፈሪ እዩ። ተረፍ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ተረፍ ከዓ ኻብ እምባ ፅዮን ዘምለጡ ኽወፁ እዮም። ነዙይ ቅንኣት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።’ “ስለዙይውን ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ‘ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣቱን፤ ፍላፃ ኸዓ ኣይውርውረላን፤ ዋልታ መኪቱ ኣይመፃን፤ ብቕፅሪውን ኣይኸባን እዩ። በታ ዝመፀላ መንገዲ ኽምለስ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኣቱን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ንኸድሕና ኽከላኸለላ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ኣሶራውያን ከይዱ፥ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፤ እንሆ ኣብ ኵሉ፥ ሬሳታት ፀንሕዎም። ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ድማ፥ ስፍራኡ ሓዲጉ ኸደ፤ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸዓ ተቐመጠ። ኣብ ቤት ናስራኽ ኣምላኹ ኽሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳርን ብሰይፊ ቐተልዎ፤ ናብ ምድሪ ኣራራት ከዓ ሃደሙ። ኤሳር ሃዶን ወዱ ድማ ተኪኡ ነገሰ። በቲ ዘመን እቱይ ሕዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዝበፅሕ ሓመመ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ከዓ ናብኡ መፂኡ፥ “እግዚኣብሄር ‘ክትመውት ኢኻ እምበር ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻሞ፥ ቤትካ ኣመዓራሪ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝተመላለስኩን፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር” በለ። ሕዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ። ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መፀ፦ “ኪድ እሞ ንሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፥ ፀሎትካ ሰሚዐ፤ ንብዓትካውን ሪአ፤ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ። ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን፥ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማውን ክከላኸለላ እየ፥ ይብል ኣሎ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ። “እግዚኣብሄር ንዝተናገሮ ቓል ከም ዝፍፅሞ፥ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ምልክት ይኹነልካ። እንሆ፥ ነቲ ኣካዝ ኣብ ዝሰርሖ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ክመልሶ እየ።” ፀሓይ ከዓ በቲ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢላ ተመልሰት። ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓሚሙ ነይሩ ምስ ሓወየ፤ ዝፀሓፎ ፅሑፍ እዙይ እዩ፦ ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ ክስእን ድየ?” በልኩ። መሊሰ ሰብ ኣይርእን እየ” በልኩ። ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ። ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ። ኦ እግዚኣብሄር፥ እጭነቕ ኣለኹሞ ዋልታ ኹነኒ። ብህድኣት ክመላለስ እየ። ኣሕውየኒ፤ ህይወትውን ምለሰለይ። ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ። ብሓቅነትካ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም። ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም። እግዚኣብሄር እዩ ዘድሕነኒ፤ ስለዙይ ብዅሉ መዓልቲታት ህይወትና፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንመዝሙራት ብመሰንቆ ኽንዝምሮ ኢና። ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ገይሮም ነቲ ዝሓበጠ ይለብጥዎ፤ ንሱውን ክሓዊ እዩ” ኢሉ ነበረ። ሕዝቅያስ ድማ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብስ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሉ ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክ፥ ወዲ ባልዳን ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፅ በረኸትን ሰደደሉ። ሕዝቅያስ ድማ ብኣኣቶም ተሓጐሰ እሞ፥ ነቲ ቤት መዛግብቱ፥ ንብሩርን ወርቅን ቀመማ ቐመምን፥ ነቲ ኽቡር ዘይትታትን፥ ንዅሉ ቤት ኣፅዋርን፥ ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝፀንሐ ዅሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ካብ ዝነበረ፥ ሕዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ኻብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” በሎ። ሕዝቅያስ ድማ “ኣብ ቤተይ ዘሎ ዅሉ ሪኦም እዮም። ካብቲ ኣብ መዝገበይ ዘሎ ዅሉ ዘየርአኽዎም ሓደ እኳ የለን” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ኢሳይያስ ንሕዝቅያስ “ንቓል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስማዕ፦ እንሆ፥ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ፥ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉ፥ ሓደ እኳ እንተይተረፈ፥ ናብ ባቢሎን ዝወስዱለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ይብል እግዚኣብሄር። ካባኻ ዝውለዱ ደቅኻ ኸዓ፥ ናብ ስደት ክውሰዱ እዮም እሞ፥ ስሉባት ኮይኖም ኣብ ቤት ንጉስ ባቢሎን ከገልግሉ እዮም” በሎ። ሕዝቅያስ ከዓ ደጊምስ ብዘመነይ ሰላምን ሓቅን ክኸውን እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፥ ንኢሳይያስ “እቲ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ፅቡቕ እዩ” በሎ። ይብል ኣምላኽኩም። ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ። ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ንኣምላኽና ፅርጊያ ፅረጉ። ድንጕር ከዓ ሰጥ ዝበለ ሜዳ ይኹን። ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኸዓ፥ ሓቢሩ ኽሪኦ እዩ።” ኵሉ ኽብሩ ኸዓ ኸም ዕምበባ ምድረ በዳ እዩ። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ። ቃል ኣምላኽና ግና፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።” “እንሆ ኣምላኽኩም ይመፅእ ኣሎ” ኢልኪ ንገሪ። ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ። ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን። ንእምባታት ብሚዛን፥ ንዀረብታታት ድማ ብሚዛናት ዝመዘነኸ መን እዩ? ወይ መኻሪ ኾይኑ ዝመሃሮኸ መን እዩ? መንገዲ ምስትውዓል ዘርኣዮኸ መን እዩ? ንደሴታትውን ከም በነንታ የልዕሎም። እንስሳኡውን ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣይኣኽሉን። ከም ዘይረብሑ ኸም ከንቱ ነገር ይቘፅሮም። ምስ መንከ ኽተመዓራርይዎ ኢኹም?” ሰንሰለት ብሩር ከዓ ይገብረሉ። ዘቑመሉ ኽኢላውን ይደሊ። ምድሪ ኻብ እትምስረት ጀሚሩዶ ኣየስተውዓልኩምን ኢኹም? ንመንበሪ ድማ ኸም ድንኳን ይዝርግሖ። ንፈራዶ ምድሪ ኸዓ ኸም ዘይነበሩ ይገብሮም። ንፋስ ኣውሎ ከዓ ኸም ብቝቡቝ ፀራረጎም። ይብል እቲ ቕዱስ። ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን። ንምንታይከ ኸምዙይ ኢልካ እትዛረብ? ምስትውዓሉውን ኣይምርመርን እዩ። ሓይሊ ንዘይብሉ ኸዓ ብርትዐ ይውስኽ። መንእሰያት ድማ ፈፂሞም ይወድቁ። ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን። ንዑ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።” ንፋስ ከም ዝብትኖ ብቝቡቕ ገይሩ ሃቦም። መንገዲ ብድሕንነት ይሓልፍ። ምስቶም ዳሕረዎትውን ዝነብር ኣነ እየ።” ቀረቡ፤ በፅሑውን። ንሓዉውን ‘ኣይዞኻ’ ይብሎ ነበረ። ከይነቓነቕ ከዓ ብሽንካር የፅንዖ።” ዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊየይ! ሓርየካ ኣለኹ፥ ኣይሓድገካን’ ዝበልኩኻ፥ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ። መፃርርትኻ ድማ፥ ከም ዘይነበሩ ክኾኑን ክጠፍኡን እዮም። ከንቱን ከም ዘይነበሩን ክኾኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየሞ ኣይትፍራሕ።” እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ። ከም ብቝቡቝ ኽትገብሮም ኢኻ። ብናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኽትምካሕ ኢኻ። ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይሓድጎምን እየ። ንምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ። ፅሕድን ኦም ሊባኖስን ዝግባን ብሓባር ክተክል እየ። ሓቢሮም ከስተውዕሉን እዮም።” ይብል እቲ ናይ ያእቆብ ንጉስ። እቶም ዝመፁውን ኣርእዩና። እስኪ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ። እቲ ዝሓረየኩም ድማ ዘፀይፍ እዩ።” ንሱ ኸዓ ነሕሉቕ ከም መሬት ይረግፆም። ቃልኩም ዝሰምዐውን የለን። ብስራት ዝነግር ክህብ እየ። መልሲ ኽህብ ዝኽእል የለን። ንፋስን ከንቱን እዮም።” ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ። ኣብ ኣደባባይ ኣየስምዕን። ብሓቂ ፍትሒ ኸውፅእ እዩ። ኣህዛብውን ብስሙ ኽእመኑ እዮም።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንኣህዛብ ድማ ብርሃን ገበርኩኻ። ማእሰርቶም ክተውፅኦም ኢኻ።” ምስጋናይውን ንዝተቐረፀ ምስሊ ኣይህብን። ገና እንተይኮነ ብዛዕባኡ ኸፍልጠኩም እየ።” ምስጋናኡውን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ። ድምፂ የስምዑ። ምስጋናኡውን ኣብ ደሴታት ይናገሩ። ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኸዓ ይብርትዕ። ብእህታ ብምንኣኽውን አተንፍስ ኣለኹ። ንዒላታትውን፥ ከንፅፎም እየ።” እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ። የመና ድማ ኽሓፍሩ እዮም።” ምእንቲ ኽትሪኡስ ጠምቱ! ከም ባርያ እግዚኣብሄር ዕዉር መን እዩ? ግና ሓደ እኳ ኣይትሰምዑን።” ንሕጉ ዝዓበየን ዝኸበረን ክገብሮ ደለየ፤ ተማረኹ፤ “ምለስ” ዝብል ድማ የለን። ብምስትውዓል ዝሰምዖኸ መን እዩ? ንሕናውን ዝበደልናዮ፥ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን? ኣቃፀሎ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን። ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ። እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ። ንኢትዮጵያን ሳባን ክንዲ ኽንዳኻ ሃብኩ።” ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ። ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ። ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ። ፀማማት ዝኾኑ ህዝቢ ኣውፅእ። ሰሚዖምውን ‘ሓቂ እዩ’ ይበሉ።” ድሕሪ ሕዚውን ኣይህሉን እዩ።” ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን። ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ነቲ ኣነ ዝገብሮ ክኽልክል ዝኽእልከ መን እዩ?” ንዅሎም ባቢሎናውያን ሰጒጐ ኸህድሞም እየ። ናይ እስራኤል ፈጣሪ፥ ንጉስኩም ኣነ እየ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ጀጋኑን ሰራዊትን ብሓደ ኽወፁ ዝገበረ፥ ከምዙይ ይብል፦ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸዓ ኣይትሕሰቡ። ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ። ከኽብሩኒ እዮም። ምስጋናይ ክናገር እዩ።” ኣታ እስራኤል ብዛዕባይ ሸለል በልካ። ‘ዕጣን ኣቕርበለይ’ ኢለውን ኣየሰልከኹኻን። ብበደልካ ድማ ኣድከምካኒ። መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።” ክትፀድቕስ ጭብጥኻ ኣቕርብ። መምህራንካ ድማ በደሉኒ። ንእስራኤል ድማ ንፀርፊ ኣሕሊፈ ሃብክዎ።” ኣታ ዝሓረኩኻ እስራኤልውን ስማዕ። ዝሓረኩኻውን ይሹሩን ኣይትፍራሕ።” በረኸተይ ከዓ ኣብ ውሉድካ ኸውርድ እየ። ኣብ ማእኸል ሳዕሪ ኽበቝሉ እዮም።” ብናይ እስራኤል ስም ቅብጥሮትውን ክፅዋዕ እዩ።” ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን። ክኸውን ዘለዎ ነገርን ኣቐዲሙ ይንገር። ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን።” ኣይሰምዑን፤ ክሓፍሩውን እዮም። ኣምላኽ ዝቐርፅ መን እዩ? ክፈርሑ እዮም፤ ብሓባርውን ክሓፍሩ እዮም። ማይ ኣይሰትንሞ ዓቕሚ ሰኣነ። ኣብ መምለኺ የንብሮ። ዝናም ድማ የብቍሎ። ጣዖት ሰሪሑውን ይሰግደሉ። ሓዊ እርኢ ኣለኹ” ይብል። ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይፅልን። ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም። ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የለን። ንባዕሉ ኸድሕን ኣይኽእልን እዩ። ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ። ተቤዚወካ እየሞ፥ ናባይ ተመለስ።” ዓው ኢልኩም ዘምሩ። ንምድሪ ዘፅናዕኹ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ። ንፍልጠቶም ከዓ ናብ ዕሽነት እልውጦ። ንዑናታተንውን ‘ክሕድሶ እየ’ ኢለ ኽነግረን እየ። ንሩባታትውን ‘ከንቅፆ እየ’ እብል ኣለኹ። ንዅሉ ፍቓደይ ክፍፅም እዩ እብል ኣለኹ።” ብዛዕባ ቂሮስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንመሸጐር ሓፂን ድማ ኽቘራርፆ እየ። ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ። ንስኻ ግና ኣይፈለጥካንን።” ሓይሊ ኣዕጠቕኩኻ። ምእንቲ ኽፈልጡ ኢለ እየ። እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እዙይ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።” ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ? ንዝብሎም ውሉድ ወይለኡ! ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ። ንዅሎም ሰራዊቶምውን ዝእዝዝ ኣነ እየ። ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” እናበሉ ኽልምኑኻ እዮም። ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ። ክሓፍሩን ክዋረዱን እዮም። ኣይትዋረዱን ኢኹም።” ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን። ፅድቂ እዛረብ፥ ቅኑዕ ዝኾነውን እናገር።” ኣእምሮ የብሎምን። ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።” ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ። ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ።” ናብኡ ኽመፁን ክሓፍሩን እዮም። ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።” ነቲ ድኹም እንስሳ ኸቢድ ፆር ኮንዎ። ንርእሶምውን ተማረኹ።” ካብ እትውለዱ ጀሚረ ዝተሸከምኩኹም ስምዑ። ኣነ ኽፆረኩምን፥ ከድሕነኩምን እየ። ክንመሳሰልስ ምስ መን ተረኣእዩኒ ኣለኹም? ንሳቶም ከዓ ይሰግዱሉን የምልኽዎን። ካብ መከራኡውን ኣየድሕኖን። ኣቱም ገበነኛታት ናብ ልብኹም ተመለሱ፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ዝመስለኒውን የለን። ዝብል ኣነ እየ። ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ። ኣቱም ካብ ፅድቂ ዝረሓቕኩም ህልኸኛታት ስምዑኒ። ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።” ብዘይ ዙፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ። ደናጉኺ ቐሊዕኺ ፈለግ ተሳገሪ። ኣነ ኽብቀል እየ፤ ንዝኾነውን ኣይርህርህን።” ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ። ኣብ ፀልማት ኣቲኺ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ። ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ። ‘ኣነስ ንዅሉ ጊዜ ንግስቲ ኾይነ ኽነብር እየ’ በልኪ።” እትብሊ ነውራም ነዙይ ስምዒ። ብምሉእ ሓይሎም ክመፁኺ እዮም።” ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ። ድንገት ክመፀኪ እዩ። ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ ቑሚ። ይተስኡ እሞ እስኪ የድሕኑኺ።” ወይ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ዝበሃለሉ ሓዊ ኣይኮነን። ከድሕነኪ ዝኽእልውን፥ ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።” ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ። ቤት ያእቆብ ነዙይ ስምዑ። ብድንገት ገበርኩዎ፤ ተፈፀሙውን። እፈልጥ እየ እሞ፥ እንተይኮነውን ኣፍለጥኩኻ። ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣርእየካ ኣለኹ። ቅድሚ ሎሚ ዘይነበረ ነገር ከስምዐካ እየ። ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ። ክዕገስ እየ። ብመከራ እቶን ፈተንኩኻ። ክብረይውን ንኻልእ ኣይህብን እየ። ዳሕረዋይውን ኣነ እየ። እንትፅውዖም ከዓ ብሓደ ይቖሙ። ቅልፅሙውን ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ክኸውን እዩ። መንገዱውን ክትቃነዐሉ እያ። ሕዚ እውን ጐይታ እግዚኣብሄርን መንፈሱን ለኣኸኒ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ፅድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ። ካብ ቅድመይውን ኣይምተደምሰሰን። ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን ንገሩ። ኰዅሒ ሰንጢቑውን ኣፍለቐሎም። ይብል እግዚኣብሄር። ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ። ኣብ ሰገባኣውን ሓብአኒ፤ ብኣኻውን ክኸብር እየ” በለኒ። ዓስበይውን ኣብ ኣምላኸይ እዩ” በልኩ። ከምዙይ ይብል፦ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ። መሳፍንቲ ድማ ሪኦም ክሰግዱልካ እዮም።” ዝባደሙ ርስትታት ክተውርስ፥ መጓሰዪ ኽረኽቡ እዮም። ሃሩር ፀሓይውን ኣይጐድኦምን እዩ።” ጐደናታተይውን ልዕል ክብሉ እዮም። እዚኣቶም ከዓ፥ ካብ ምድሪ ሲኒም ክመፁ እዮም።” ኣቱም እምባታት ድማ፥ ዕልል በሉ። ጐይታ ኸዓ ረሲዑኒ እዩ” በለት። ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ። ቅፅርታትኪ ድማ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዮም። ክወፁልኪ እዮም። ይብል እግዚኣብሄር። እቶም ዝወሓጡኺ ድማ ኽርሕቑ እዮም። እንነብረሉ ቦታ ሃብና’ ኽብሉኺ እዮም። እዚኣቶም ደኣ ኣበይ ነበሩ?’ ኽትብሊ ኢኺ።” ነዋልድኪውን ሓንጊሮም ከምፅኡልኪ እዮም። እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።” ምሩኽ ከምልጥዶ ይከኣል?” ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ። እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።” ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።” ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር። መጋረዲኡውን ወጮ እገብር።” ከም ተምሃሮ ምእንቲ ኽሰምዕስ ንእዝነይ የንቅሖ። ኣነውን ኣይኣበኹን፤ ኣየድሐርሐርኩን። ካብ ቱፍ ዝብሉለይን ኣይከወልኩን። ከም ዘይሓፍር ከዓ እፈልጥ እየ። መንከ እዩ ተፃራርየይ? ጭብጡ ሒዙ ይቕረብ። ባልዕውን ክበልዖም እዩ። ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ። ኣብ ሓዘን ድማ ኽትድቅሱ ኢኹም። ናብቲ ዝተዅዓትኩሙሉ ጕድጓድን ተመልከቱ። ኣነ ኸዓ ባረኽክዎን ኣብዛሕኽዎን።” ኣብኣ ኽርከብ እዩ።” ኣታ ህዝበይ፥ ስምዐኒ፤ ኣታ ወገነይ፥ ኣዳምፅ። ኣብ ቅልፅመይ ድማ ኽእመና እየን። ፅድቀይውን ኣይፈርስን እዩ።” ብፀርፎምውን ኣይትደንግፁ። ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ።” ንስኻዶ ኣይኮንካን? መንገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኮንካን? ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ። ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ? ቍጥዓ እቲ ገፋዒኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ? እንጀራውን ኣይስእንን እዩ።” ስመይውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።” ኣቲ ኢየሩሳሌም ንቕሒ! ንቕሒ! ተስኢ። ሓደ እኳ ኢዳ ዝሕዝ የለን። ከመይ ገይረ ኸፀናንዐኪ እየ? ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ተግሳፅ ኣምላኽክን መልኦም። ኣቲ ዝሰኸርኪ ነዙይ ስምዒ። ድሕሪ ሕዚ ኣይትሰትይዮን ኢኺ፤ ንዝብሉኺ ኽህቦም እየ።” ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ። ንሰንሰለት መእሰሪ ክሳድኪ ፍትሒዮ። “ብዘይ ዋጋ ተሼጥኩም ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ብዘይ ዋጋ ኸዓ ኽትቢዘዉ ኢኹም። በዝ ምኽንያት እዙይ ኣጨነቖ። ኵሉ መዓልቲ ኸዓ ስመይ ይፅረፍ ኣሎ። በታ መዓልቲ ኽፈልጥ እዩ፤ እንሆ ኣነ እየ።” ኣእጋሩ ኣብ እምባታት ክንደይ ፅቡቓት እየን! ብሓድነት ክዝምሩ እዮም። ሓቢርክን ከዓ ዘምራ። ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም። ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ። ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም። የመናውን ክኸብር እዩ። ካብ ዅሉ ወዲ ሰብ፥ ብዝኸፍእውን ተጐሳቘለ። ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።” ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ? ዘብህገና ትርኢት የብሉን። ንሕናውን ኣየኽበርናዮን።” ከም ዝተቐስፈን ከም ዝተሳቐየን ቈፀርናዮ። ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና። ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።” ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ትውልዱ መን ኣስተውዓለ? መቓብሩ ኸዓ ምስ ሃብታማት ኮነ።” ፍቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኢዱ ኽፍፀም እዩ። ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ። ምእንቲ በደለኛታትውን ማለደ።” ደቂ እታ ፍትሕቲ ኽበዝሑ እዮምሞ” ይብል እግዚኣብሄር። ኣግማድኪ ኣንውሒ፤ ሽኻላትኪውን ኣፅንዒ። መንበሪ ኽገብረን እዩ። ድሕሪዙይ ኣይትዝክሪን ኢኺ። ንሱ ኣምላኽ ኵላ ምድሪ ይበሃል። እግዚኣብሄር ክፅውዐኪ እዩ” ይብል ኣምላኽኪ። ብዓብዪ ምሕረት መሊሰ ኽእክበኪ እየ። ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር። ከይግስፀኪውን ምሒለ ኣለኹ። ይብል እቲ ዝርህርሀልኪ እግዚኣብሄር። ብእምኒ ሰንፔርውን ክስርተኪ እየ። ንቕፅርታትኪውን ብዝኸበሩ ኣእማን ክሰርሖም እየ።” ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ። ናብ ጥቓኺውን ኣይቐርብን። ካባኺ ዝተልዓለ ኽወድቑ እዮም።” ነቲ መዕነዊውን ከጥፍእ ኢለ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ። ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር። ብዘይ ዋጋ ወይንን ፀባን ዓድጉ። ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።” ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ። ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ። ዘይፈልጠካ ህዝቢ ናባኻ ኽጐዪ እዩ።” ቀሪቡ እንተሎውን ፀውዕዎ። ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ። ይብል እግዚኣብሄር። ልዕል ዝበለ እዩ። ናብ ሰማይ ከም ዘይምለስ፥ ብኸንቱ ናባይ ኣይምለስን።” ከጣቕዑልኩም እዮም። ንዘለኣለም ዘይጠፍእ ምልክትን ክኸውን እዩ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምድሓነይ ቀሪቡ እዩ፤ ፅድቀይውን ቀልጢፉ ኽግለፅ እዩሞ፥ ፍትሒ ሓልዉ፤ ፅድቅውን ግበሩ። እቲ ነዙይ ዝገብር ሰብ ብእኡውን ዝፀንዕ፥ ከየርክስ ንሰንበት ዝሕሉ፥ ክፍኣት ከይገብር ኢዱ ዝሕሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።” ናብ እግዚኣብሄር ዝተፀግዐ መፃእተኛ “ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኽፈልየኒ እዩ” ኣይበል፤ እቲ ስሉብውን “ኣነ ንቑፅ ኦም እየ” ኣይበል። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰናብተይ ንዝሕሉዉን፥ ንኣይ ዘሐጕስ ንዝመርፁን፥ ቃል ኪዳነይውን ንዝሕልዉ ስሉባት፥ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ቕፅረይን፥ ካብ ኣወዳትን ኣጓላትን ዝበልፅ፥ መዘከርታን ስምን ክህቦም እየ፤ ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ስምውን ክህቦም እየ።” “ንእኡ ንምግልጋል፥ ስም እግዚኣብሄር ብምፍታው፥ ባሮቱ ክኾኑ ኢሎም፥ ርእሶም ናብ እግዚኣብሄር ዘፀግዑ መፃእተኛታት፥ ንሰንበት ከየርከሱ ዝሕልዉ፥ ቃል ኪዳነይውን ንዝሕዙ ዅላቶም፥ ናብቲ ዝተቐደሰ እምባይ ከምፅኦም እየ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ፀሎተይውን ከሐጕሶም እየ፤ ዝቃፀል መስዋእቶምን ካልኦት መስዋእትታቶምን ኣብ መሰውእየይ እንተ ሰውኡ ኽቕበሎም እየ፤ ቤተይ ንዅሎም ህዝብታት ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩሞ።” እቲ ነቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ዝኣኻኽብ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኣከቡ ብተወሳኺ፥ መሊሰ ንኻልኦት ክእክብ እየ።” “ኣቱም ናይ ምድሪ ኣራዊት ኵልኻትኩም፥ ኣቱም ናይ ዱር ኣራዊት ኵልኻትኩም ክትበልዑ ቕረቡ፤ ሓለውቲ እስራኤል ዕውራት እዮም፤ ፍልጠት የብሎምን፤ ኵሎም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፤ ሕልሚ ይሓልሙ፤ ይጋደሙ ድቃስውን ይፈትዉ እዮም። የመና ህሩፋት ኣኽላባት እዮም፤ ፀጊበ ኣይፈልጡን፤ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፤ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕረዋይ፥ ረብሓ ርእሱ ደለየ፤ ኵሎም ብናይ ባዕልቶም መንገዲ ኸዱ። ‘ንዑ ወይኒ ንውሰድ፤ ብዘስክር መስተውን ንርወ፤ ፅባሕውን ከምቲ ሎሚ ዝኾነ፥ ከምኡውን ፅባሕ ክኸውን እዩ፤ ፅባሕውን ዝሓሸ መዓልቲ ክኾነልና እዩ’ ” ይብሉ። ፃድቕ ይመውት፥ ግና ነቲ ነገር ብልቡ ዘስተውዕሎ የለን፤ ምሕረት ዝገብሩ ሰባት ይውሰዱ፤ ፃድቃን ካብ ክፉእ ምእንቲ ኽድሕኑ ኸም ዝውሰዱ፥ ዘስተብህል የለን። ናብ ሰላም ይኣቱ፤ እቶም ብቕንዕና ዝነብሩ ኣብ መደቀሲኦም ይዓርፉ። ኣቱም ደቂ እታ ኣስማተኛን፥ ዘርኢ ዘማውን፥ ኣመንዝራን፥ ናብዙይ ቅረቡ። ንመን ኢኹም እተባጭዉሉ? ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም እትኸፍቱ? ንስኻትኩም ደቂ ዓመፅትን ዘርኢ ሓሰውትንዶ ኣይኮንኩምን? ኣብ ልዕሊ መንከ ኢኹም መልሓስኩም እተንውሑ? ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኦም፥ ንጣዖታት እትብህጉ ዘመውቲ፥ ንደቅኹም ድማ ኣብ ትሕቲ ሽንጥሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን ሓሪድኩም እትስውኡ፥ ደቂ ዓመፅን ሓሰትንዶ ኣይኮንኩምን? ልሙፃት ኣእማን ግደኺ እዮም፤ ንሳቶም ብፅሒትኪ እዮም፤ ንኣኣቶም መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሎም፤ መስዋእቲ ብልዒውን ኣቕረብክሎም። እሞኸ በዝ ነገር እዙይዶ ኣይቍጣዕን? ኣብ ልዕል ዝበለን፥ ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባን፥ ዓራትኪ ኣንፀፍኪ፤ ኣብኡ ድማ ንጣዖት መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርቢ ደየብኪ። ኣብ ድሕሪ ማዕፆን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፤ ንኣይ ሓዲግኪ ንኻልእ ተቐላዕኺ፤ ንመደቀሲኺውን ወፂእኺ ኣግፋሕኽዮ፤ ምስኣቶም ድማ ኺዳን ኣተኺ፤ ኣብ ኵሉ ዝረአኽዮ ቦታ፥ መደቀሲኦም ፈተኺ። ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪ፤ ሽቱውን ኣብዛሕኺ፤ ልኡኻትኪውን ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፤ ክሳዕ ሲኦልውን ተዋረድኪ። ብምብዛሕ መንገዲውን ደኸምኪ፤ ግና ተስፋ ኣይቈረፅክን፤ ምሕዳስ ጕልበት ረኸብኪ፤ ስለዙይ ድማ ኣይሰልከኽን። “ሓሰት ዝተናገርኪ፥ ንኣይውን ዘይዘከርኪ፥ ነቲ ነባርውን ኣብ ልብኺ ዘየንበርኪ፥ ንመን ሰጊእኺ ኢኺ? ኣነ ብዙሕ ጊዜ ስቕ በልኩ፤ ንስኺውን ኣይፈራሕኽን። እምበኣር ኣነስ ፅድቅኽን ስራሕኽን ክነግር እየ፤ ግና ኣይጠቕመክን እዩ። ኣብ እተእውዪሉ ጊዜ እቶም ዝኣከብክዮም የድሕኑኺ! ግና ንዅላቶም ንፋስ ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ መሸምቦባውን ክበታትኖም እዩ። እቲ ነኣይ መዕቘቢኡ ዝገበረ ግና፥ ነታ ምድሪ ኽገዝኣ፥ ንዝተቐደሰ እምባይውን ክወርስ እዩ።” “ንሱውን፦ ፅረጉ፤ ፅረጉ፤ መንገዲ ኣዐርዩ፤ ካብ መንገዲ ህዝበይ መዐንቀፊ ኣርሕቑ ይብል። “እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር። ንዘለኣለም ኣይፃላእን፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣይቍጣዕን እየ። ከምዙይ እንተ ዘይኸውንስ መንፈስን፥ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን ተስፋ ምቐበፃ ነይረን። ብሰንኪ ሓጢኣቱ ተቘጢአ ቐሰፍክዎ፤ ገፀይውን ብቝጥዐ ኻብኡ ኸወልኩ፤ ከምኡ ኾይኑውን ብመንገዲ ልቡ እናድሐርሐረ ኸደ። “መንገድታቱ ሪአ ኣለኹ፤ ግና ኸሕውዮን ክመርሖን እየ። ንእኡን ብዛዕባኡ ንዝበኽዩን ድማ፥ ምፅንናዕ ክመልሰሎም እየ። ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፤ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ንዘለዉ ሰላም፥ ሰላም ይኹን፤ ኣነ ኸሕውዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እቶም ክፉኣት ግና፥ ከምቲ ዝናወፅ ባሕሪ እዮም፤ ክሃድእ ኣይኽእልን እዩሞ፤ ማያቱውን ጭቃን ርስሓትን የውፅእ እዩሞ። ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ። “ብሓይሊ ዓው በል፤ ኣይትቘጥብ፤ ድምፅኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፤ ንህዝበይ በደሎም፥ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። በብመዓልቲ ግና ንኣይ ይደልዩ፤ መንገድታተይ ክፈልጡ ድማ ይፈትዉ፤ ከምቲ ፅድቂ ዝገብርን፥ ሕግጋት ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝቢ፥ ቅኑዕ ፍርዲ ይልምኑኒ፤ ናብ እግዚኣብሄር ክቐርቡውን ይደልዩ።” “ንምንታይ ፆምና? ንስኻውን ኣይተመልከትካናን፤ ስለ ምንታይከ ነፍስና ኣሕሰርና? ንስኻውን ኣይፈለጥካናን” ይብሉ። “እንሆ፥ ብመዓልቲ ፆምኩምስ ድልየትኩም ኢኹም እትገብሩ፤ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም። እንሆ ንፅልእን ንኽርክርን ትፆሙ ኣለኹም፤ ብሕሱም ጕስጢትውን፥ ትዋቕዑ ኣለኹም። ድምፅኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዝስማዕ ጌርኩም፥ ሎሚ ኣይትፆሙን ዘለኹም። እቲ ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይ ድዩ? ሰብከ ንነፍሱ ዘሕስረሉ ብኸምዙይ ዝበለ መዓልቲ ድዩ? ኸም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፥ ወጮ ተኸዲንካ ሓመድ መንፀፍካ ምግባርን ድዩ? ብሓቂ ነዙይ ዲኻ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ መዓልቲ ፆም እትብሎ ዘለኻ? “እምበኣር ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይዶ ኣይኮነን፦ ናይ ግፍዒ ሰንሰለት ክትፈትሑ፥ ንማእሰርቲ ኣርዑት ክትፈትሑ፥ ንጭቁናት ሓራ ኽተውፅኡ፥ ንዅሉ ኣርዑት ክትሰብሩዶ ኣይኮነን? እንጀራኻ ንጥሙይ ክተካፍል፥ ነቶም ዝተሰደዱ ድኻታት ኣብ ቤትካ ኽተእቱ፥ ዕሩቕ እንተ ርኢኻ ኽትከድን፥ ካብ ዘመድ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኮነን? “ሽዑ ብርሃንካ ኸም ጩራ ወጋሕታ ኽበርህ፥ ፈውስኻውን ቀልጢፉ ኽበቍል፥ ፅድቅኻ ቀቅድሜኻ ክኸይድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ብድሕሬኻ ኾይኑ ኽሕልወካ እዩ። ሽዑ ኽትፅውዕ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽምልሰልካ እዩ፤ ክተእዊ ኢኻ፤ ንሱ ድማ ‘እኒሀኹ’ ኽብለካ እዩ። ነርዑት ባርነትን፥ ንናይ ንዕቐት ምውጥዋጥ ኣፃብዕትን፥ ንሕማቕ ዘረባን፥ ካብ ማእኸልካ እንተ ኣርሒቕካ፥ ካብ ናይ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፥ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንተፅገብካ፥ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ፀልማት ክበርህ፥ ፀልማትካውን ከም ቀትሪ ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኽመርሐካ፥ ብሰናይ ነገራት ንነፍስኻ ኸፅግብ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ኸበርትዖ እዩ፤ ንስኻ ኸዓ፥ ማይ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን፥ ከምቲ ማዩ ዘይነፅፍ ዓይኒ ማይን፥ ክትከውን ኢኻ። ደቅኻ፥ ነቲ ቐደም ዝዓነወ ኽነድቑ እዮም፤ መሰረት ናይ ብዙሓት ትውልድታት ክተቕውም ኢኻ። ንስኻ ኸዓ ነዳቒ ፍሩስን፥ ናይ መንበሪ መንገዲ መዐረዪን፥ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።” “ብሰንበት፥ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፥ እግርኻ እንተ ዓቀብካ፥ ንሰንበት ከዓ ‘ደስታ’ ነታ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ መዓልቲ ‘ክብርቲ’ ኢልካ እንተ ፀዊዕኻያ፥ እንተ ኣኽቢርካያ፥ ናይ ባዕልኻ መንገዲ ድማ እንተ ዘይኬድካ፥ ድልየትካውን እንተ ዘይጌርካ፥ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛሪብካ፥ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለካ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደዪበካ እየ፤ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዐካ እየ።” እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን፤ ከይሰምዕ ኸዓ እዝኑ ኣይፀመመትን እያ። ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ። ኣእዳውኩም ብደም፥ ኣፃብዕትኹም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ፤ ከናፍርኩም ሓሰት ይዛረባ፥ ልሳንኩምውን ክፍኣት ይናገር ኣሎሞ። ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ። እንቍላሊሕ ገበል ይሓቝፉ፤ ዓለባ ሳሬት ከዓ ይኣልሙ፤ እቲ ኻብ እንቍላሊሖም ዝበልዕ ይመውት፤ እንተ ተሰበረውን መንደላይ ተመን ይወፅእ። ፈትሎም ክዳን ኣይኸውንን፤ ብግብሮም ኣይሽፈኑን። ግብሮም ግብሪ ኽፍኣት እዩ፤ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመፃ ኣሎ። ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐያ፤ ንፁህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፋ፤ ሓሳቦም ሓሳብ ክፍኣት እዩ፤ ጥፍኣትን ዕንወትን ድማ ኣብ መንገድታቶም ኣሎ። ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፤ ኣብ ኣካይዳኦም ፍርዲ የለን፤ ንመንገድታቶም ይጠዋውይዋ፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ሰላም ኣይፈልጥን። ስለዙይ ፍትሒ ኻባና ረሓቐ፤ ፅድቂውን ኣይረኸብናን። ብርሃን ብተስፋ ንፅበ፤ እንሆ ኸዓ ፀልማት ኮነ፤ ድሙቕ ብርሃን ንፅበ፤ ግና ብፀልማት ኢና እንመላለስ ዘለና። ከም ዕዉራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ ኣለና፤ ከምቶም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ እናበልና ንኸይድ ኣለና፤ ቀትሪ እንተሎስ፥ ከም ብጊዜ ፅልግልግ፥ ደርገፍገፍ ንብል ኣለና። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምዉታት፥ ኣብ ፀልማት ስፍራ ኢና። ኵላትና ኸም ድብታት ነእዊ፤ ከም ርግቢታትውን ንቝዝም ኣለና። ፍርዲ ብተስፋ ንፅበ ኔርና፤ ግና ንሱውን የለን፤ ድሕነት ተፀበና፤ ግና ንሱውን ኻባና ረሓቐ። “በደልና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩሞ፥ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። በደልና ምሳና እዩ ዘሎሞ፥ ሓጢኣትና ንፈልጦ ኢና። ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕና፤ ከሓድናዮውን፤ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ንድሕሪት በልና፤ ግፍዕን ዓመፅን ተዛረብና፤ ዘረባ ሓሰት ጠኒስና፥ ካብ ልብና ኣውፃእናዮ። ስለዙይ ፍትሒ ንድሕሪት ተመለሰ፤ ፅድቂ ኸዓ ኣብ ርሑቕ ቆመ፤ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩሞ፥ ቅንዕናውን ክኣቱ ኣይከኣለን። ሓቂ ተስኣነ፤ እቲ ኻብ ክፍኣት ዝረሓቐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘመተ የቃልዕ። እግዚኣብሄር ነዙይ ረአየ፤ ቅንዕና ስለ ዘየለ ኸዓ ሓዘነ።” ንፅድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸደኖ፥ ንምድሓን ድማ ኸም ቍራዕ ርእሲ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ተወንዘፈ፥ ንቕንዕና ድማ ኸም ባርኖስ ገይሩ ደረቦ። ከከም ግብሮም ክፈድዮም እዩ፤ ቍጥዓ፥ ንተፃረርቱ፥ ፍዳ፥ ንፀላእቱ ኽፈድዮም እዩ፤ ንደሴታትውን ፍዳ ኽፈድዮም እዩ። ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ንስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ድማ ንኽብሩ ኽፈርሑ እዮም። ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ። ኣነስ ምስኣቶም ዘለኒ ኺዳን እዙይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘንበርኩዎ ቓለይ፥ ካብ ኣፍካ ወይ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይፍለን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ተስኢ ኣብርሂ። ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኽረአ እዩ። ናብ ፀዳል ምብራቕኪ ኽመፁ እዮም። ናባኺ ኽመፁ እዮም። ልብኺውን ክድነቕን ክሰፍሕን እዩ። ምስጋና እግዚኣብሄር ድማ፥ ክነግሩ እዮም። ኣነውን ንቤት ክብረይ፥ ከኽብር እየ። እዞም ከም ደመና ዝበሩ እዚኣቶም እንመን እዮም? ኣቐዲመን ይፅበያ ኣለዋ። ነገስታቶም ከዓ ኸገልግሉኺ እዮም። ለይትን መዓልትን ኣይዕፆን እዩ። እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምውን ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።” ከኽብሮ እየ። ኢሎም ክፅውዑኺ እዮም።” ናይ ትውልድታት ከዓ ደስታ ኽገብረኪ እየ። ተቤዛዊኺ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ።” ገዛእትኺ ድማ ‘ፅድቂ’ ኽገብር እየ፤ ‘ምስጋና’ ኢልኪ ኽትፅውዕየን ኢኺ።” ወርሒ ኸዓ ብምድማቓ ኣይተብርሀልክን እያ። ወርሕኺውን ኣይጐድልን። ግብሪ ኣእዳወይ እዮም። ቀልጢፈ ኽገብሮ እየ።” ክእውጅ ለኣኸኒ። ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ። ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ። ክሕድሱ እዮም። ተኸናኸንቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ክኾኑ እዮም። ብኽብሮም ድማ ኽትከብሩ ኢኹም። ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኽረኽቡ እዮም። ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ምስኣቶም ክገብር እየ። ክፈልጡ እዮም።” ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ። ፅድቅን ምስጋናን ከብቍል እዩ። ስለ ኢየሩሳሌምውን ኣየዕርፍን እየ። በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውፅኦ ሓድሽ ስም ድማ፥ ክትፅውዒ ኢኺ። ዘውዲ ንጉስ ክትኮኒ ኢኺ። ምድርኺውን ሰብኣይ ዘእተወት ክትበሃል እያ። ከምኡ ኣምላኽኪውን ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ፤ ኣብ ምድሪ እውን መመስገኒ ኽሳዕ ዝገብራ፥ ዕረፍቲ ኣይተሃብዎ። ጓኖት ኣይሰትይዎን እዮም። ኣብ ዓፀድ መቕደሰይ ኮይኖም ክሰትይዎ እዮም።” ንኣህዛብውን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም። ዓስቡ ድማ ቐቅድሚኡ ኣሎ’ በልዋ።” ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ። እዝ ካብታ ኣብ ኤዶምያስ ዘላ ኸተማ ባሶራ፥ ቀይሕ ግምጃ ለቢሱ፥ ብኽዳውንቲ ዘጌፀ፥ ምስ ምሉእ ሓይሉን ጕልበቱን እናሰጐመ ዝመፅእ ዘሎ፥ እዙይ መን እዩ? “እቲ ብፅድቂ ዝዛረብ፥ ንምድሓን ምሉእ ስልጣን ዘለኒ ኣነ እየ።” ስለ ምንታይ ደኣ ኽዳንካ ቐይሐ? ስለ ምንታይከ ኣልባስካ፥ ነቲ ኽዳን ረጋፅ ዘቢብ መሰለ? ዝብቀለላ መዓልቲ ኣብ ልበይ ኣላ፤ ንህዝበይ ዝብይዘወላ ዓመትውን መፂኣ እያሞ። ተመልከትኩ፤ ሓጋዚ ኸዓ ኣይነበረን፤ ዝድግፈኒ ኣይነበረን እሞ ተገረምኩ። ስለዙይ ቅልፅመይ ድሕነት ኣምፅአለይ፤ ቍጥዓይ ከዓ ሓገዘኒ። ብቝጥዓይ ንኣህዛብ ረገፅክዎም፤ ብቝጥዓይ ድማ ፈፂመ ኣስከርክዎም፤ ደሞም ከዓ ኣብ ምድሪ ኣፍሰስኩ።” ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ዅሉ ሰናይ ግብርን፥ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፥ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ። እግዚኣብሄርውን “ብርግፅ ንሳቶም ህዝበይ፥ ዘይሕስዉ ደቀይ እዮም” በለ እሞ መድሓኒኦም ኮነ። ኣብ ኵሉ መከራኦም ተጨነቐ፤ መልኣኽ ገፁ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተቤዘዎም፤ ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ኣልዓሎምን ተሸከሞምን። ንሳቶም ግና ኻብኡ ኸድዑ፤ ንቕዱስ መንፈሱውን ኣሕዘንዎ፤ ስለዙይ ፀላኢኦም ኮነ፤ ባዕሉውን ተዋግኦም። ሽዑ ንሱ ንናይ ቅድም ዘመንን ንሙሴን ንህዝቡን ዘከረ፤ “እቲ ምስቶም ጓሶት መጓሰኡ ኻብ ባሕሪ ዘውፅኦም ሕዚ ኣበይ ኣሎ? እቲ ንቕዱስ መንፈሱ፥ ኣብ ውሽጦም ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ? እቲ ንኽቡር ቅልፅሙ፥ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፥ እቲ ንባዕሉ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኽገብር፥ ንማያት ኣብ ቅድሚኣቶም ዝኸፈለ ኣበይ ኣሎ? እቲ ኸም ኣብ ምድረ በዳ ዝሓልፍ ፈረስ፥ ኣብ ዓሚቝ ማያት ባሕሪ ኸይተዓንቀፉ ኽሓልፉ ዝገበረ ኣበይ ኣሎ?” ከምቲ ኸፍቲ ናብ ለሰ ወሪደን ዘዕርፋ፥ ከምኡ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብፅሖም። ንርእስኻ ኽቡር ስም ምእንቲ ኽትገብር ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕኻዮም። ካብ ሰማይ ረአ፤ ካብቲ መሕደሪ ቅድስናኻን ክብርኻን ጠምት፤ ሓይልኻን ቅንኣትካን ኣበይ ኣሎ? እቲ ንኣና ዘለካ ርህራሀ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ። ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እዩ፤ እስራኤልውን ኣየለልየናን እዩ። ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ። ኦ እግዚኣብሄር! ካብ መንገድኻ ኽነግልስ፥ ከይንፈርሐካ ኸዓ፥ ልብና ኽተርር ዝሓደግካና ስለ ምንታይ ኢኻ? ስለ ባሮትካ፥ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ። እቲ ቕዱስ ህዝብኻ፥ ነታ ምድሪ ንሓፃር ዘመን ጥራሕ ተረስተያ፤ ሕዚ ግና ፀላእትና፥ ንቤተ መቕደስካ ረገፅዋ። ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይገዛእኻዮም፥ ከምቶም ብስምካ ዘይፅውዑ ዄንና ኣለና። ንሰማያት ቀዲድካ እንተትወርድ! እምባታት ኣብ ቅድሜኻ መንቀጥቀጡ። ስምካ ኣብ ፀላእትኻ ምእንቲ ኽፍለጥ፥ ከምቲ ሓዊ ንጭራሮ ዘንድዶ፥ ንማይውን ዘፍልሖ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ቐጥቀጥ ምእንቲ ኽብሉ፥ ዘይተፀበናዮ ዘገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፥ ወረድካ እሞ እምባታት ኣብ ቅድሜኻ ኣንቀጥቀጡ። ነቶም ዝፅበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር፥ ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፤ ኣብ እዝኒ ኣይተነግረን፥ ብዓይኒውን ኣይተርኣየን። ተሓጕሶም ፅድቂ ንዝገብሩን፥ ከም ፍቓድካ ንዝነብሩን፥ ብመንገድኻ ንዝሓስቡኻን፥ ትራኸቦም ኢኻ። ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ ንስኻ ድማ ተቘጣዕኻና፤ ኣብ ሓጢኣትናውን ነዊሕ ዘመን ነበርና፤ ከመይ ኢልና ደኣ ኽንድሕን ኢና? ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ፤ ኵላትና ኸም ቈፅሊ ረገፍና፤ በደልናውን፥ ከም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና ኣሎ። ገፅካ ኸዊልካልና፥ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፥ ስምካ ዝፅውዕን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ዝትስእን፥ ሓደ እኳ የለን። ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ንሕና መሬት ኢና፤ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፤ ኵልናውን ስራሕ ኢድካ ኢና። ኦ እግዚኣብሄር፥ የመና ኣይትቈጣዕ፤ በደልውን ንሓዋሩ ኣይትዘክር። በይዛኻ ተመልከተና፤ እንሆ ዅልና ህዝብኻ ኢና። ኵለን ቅዱሳት ከተማታትካ፥ ምድረ በዳ ኾና፤ ፅዮን ባደመት፤ ኢየሩሳሌምውን ዓነወት። እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስግኑላ ዝነበሩ፥ ቅድስትን ክብርትን ቤትና፥ ብሓዊ ነደደት፤ ኵሉ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን በረሰ። ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝ ኵሉ ኾይኑ፥ ክትዕገስ ዲኻ? ብሓቂዶ ስቕ ክትብል ኢኻ? ብዘይ መጠንዶ ኽተጨንቐና ኢኻ? ነቶም ሰናይ ብዘይኮነት መንገዲ፥ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዝመላለሱ ኸዳዓት፥ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኹሎም። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ኵልሻዕ የቘጥዑኒ፤ ኣብ እንዳ ኣታኽልቲ ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ጡብ ከዓ፥ ዕጣን ይዓጥኑ። ኣብ መቓብራት ይቕመጡ፤ ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ይሓድሩ፤ ስጋ ሓሰማ ይበልዑ፤ ቍራዓቶም ብዝረኸሰ መረቕ ዝመልኡ እዮም። ንሳቶም፥ ንባዕልኻ ቑም፤ ኣነ ኻባኻ ዝበለፀ ቅዱስ እየሞ፥ ናባይ ኣይትቕረብ ይብሉ፤ እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፥ ምሉእ መዓልቲ ዝነድድ ሓዊ እዮም። “እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድመይ ተፅሒፉ እዩ፤ ብዝገበርዎ ኽቐፅዖም እየ እምበር፥ ሸለል ኣይብሎምን እየ። ንበደሎም፥ ምስኡውን ንበደል ኣቦታቶም፥ ኣብ ሕቝፎም ክፈድዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ እምባታት ዕጣን ዓጠኑ፤ ኣብ ኰረብታታትውን ንኣይ ፀረፉኒ። ስለዙይ በቲ ዝገበርዎ ኽቐፅዖም፥ ኣብ ሕቝፎምውን ክሰፍረሎም እየ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍረ ወይኒ ኣብ ዘለላኡ ኽርከብ እንተሎ ‘በረኸት ኣለዎ እሞ፥ ኣይተጥፍእዎ’ ኸም ዝበሃል፥ ኣነውን ምእንቲ እቶም ባሮተይ ኢለ፥ ከምኡ ኽገብር እየ። ካብ ዘርኢ ያእቆብን ዘርኢ ይሁዳን ዝኾኑ፥ ንእምባታተይ ዝወርሱ ኸውፅእ እየ፤ እቶም ሕሩያተይ ክወርስዋ፥ እቶም ባሮተይ ከዓ ኣብኣተን ኽነብሩ እዮም። ነቶም ዝደልዩኒ ህዝበይ፥ ለሰ ሳሮን መውፈሪ ኣባጊዖም ክኸውን እዩ፤ ለሰ ኣኮር ድማ መዕየሚ ኸፍቲ ክኸውን እዩ። “ንስኻትኩም ኣቱም ንኣይ ንእግዚኣብሄር እትሓድጉ፥ ንፅዮን ቅዱስ እምባይ ረሲዕኹም፥ ‘ፅቡቕ ኣጋጣሚ’ ንዝተብሃለ ጣዖት ማእዲ እተቕርቡ፤ ‘ፅቡቕ ዕድል’ ንዝተብሃለ ጣዖት ድማ ወይኒ እትመልኡሉ ግና፥ ፀዊዐኩም ስለ ዘይመለስኩምለይ፥ ተዛሪበኩምውን ስለ ዘየድመፅኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ስለ ዝገበርኩም፥ ነቲ ዘሐጕሰኒ ኸዓ ስለ ዘይመረፅኩም፥ ንሰይፊ መዲበኩም ኣለኹ፤ ኵልኻትኩም ንመሕረዲ ኽትጕንበሱ ኢኹም። ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክበልዑ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትጠምዩ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክሰትዩ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትፀምኡ ኢኹም፤ እንሆ፥ ባሮተይ ክሕጐሱ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትሓፍሩ ኢኹም። እንሆ፥ ባሮተይ ካብ ሓጐስ ልቢ ዝተልዓለ ዕልል ክብሉ፥ ንስኻትኩም ግና ኻብ ጓሂ ልቢ ዝተልዓለ ኽትግዕሩ፥ መንፈስኩም ስለ ዝተሰብረ ኸዓ፥ ዋይ ዋይ ክትብሉ ኢኹም። ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ። እቲ ኣብ ምድሪ ዝተባረኸ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክባረኽ እዩ፤ እቲ ኣብ ምድሪ ዝምሕል፥ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክምሕል እዩ፤ እቲ ናይ ቀደም መከራ ተረሲዑ፥ ካብ ዓይነይውን ተሰዊሩ እዩሞ።” እንሆ፥ ኢየሩሳሌም ንሓጐስ፥ ህዝባ ኸዓ ንደስታ ኽፈጥር እየሞ፥ በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ተሓጐሱ፤ ንዘለኣለምውን ደስ ይበልኩም። ኣነ ድማ ብኢየሩሳሌም ክሕጐስ፥ ብህዝባውን ደስ ክብለኒ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኣብኣ ድምፂ ብኽያትን፥ ድምፂ ኣውያትን ኣይስማዕን እዩ። ድሕሪዙይ ሓፂር ዝዕድሚኡ ህፃንን ዕድመ ዘይፀገበ ኣረጋዊን፥ ኣብኣተን ኣይርከብን እዩ። ጐበዝ ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ይመውት፤ እቲ ሓጢኣተኛውን ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ዝተረገመ ይኸውን። ገዛውቲ ኽሰርሑ፥ ክነብሩለንውን እዮም፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽተኽሉ፥ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ፥ ከም ዕድመ ኦም ነዊሕ ክኸውን፥ ሕሩያተይ ድማ፥ ፃማ ግብሪ ኣእዳዎም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ካልኦት ዝነብሩሉ ኣባይቲ ኣይሰርሑን፤ ካልኦት ፍረኡ ዝበልዕዎ ወይኒ ኸዓ፥ ኣይተኽሉን እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም እሞ፥ ንኸንቱ ኣይፅዕሩን፥ ብድንገት ዝሞቱ ደቂውን ኣይወልዱን እዮም። ከምዙይ ክኸውን ድማ እዩ፦ እንተይፀውዑኒ ኽምልሰሎም፥ ገና ዘረባኦም እንትጅምሩ ኽሰምዖም እየ። ተዅላን ጠቦት በጊዕን ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ፥ ተመን ከዓ ሓመዱ ኽቕለብ እዩ። ኣይጓድኡን እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣይጓድኡን ኣየጠፋፍኡንውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ነዝ ዅሉ ኢደይ እያ ዝገበረቶ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብኣይ ኮይኑ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግና ናብ ትሑትን፥ ዝተሰበረ መንፈስ ናብ ዘለዎን፥ ብቓለይውን ናብ ዝንቅጥቀጥ ሰብ እየ ዝምልከት። “ግና እቲ ብዕራይ ዝስውአለይ፥ ሰብ ከም ዝቐተለ እዩ፤ ጡቦት በጊዕ ዝስውአለይ፥ ክሳድ ከልቢ ኸም ዝሰብር እዩ፤ እቲ ቍርባን እኽሊ ዘቕርበለይ፥ ደም ሓሰማ ኸም ዘቕርበለይ እዩ፤ እቲ ዕጣን ዝዓጥነለይ፥ ንጣዖት ከም ዘመስግን እዩ። እዚኣቶም መንገዲ ርእሶም ሓረዩ፤ ነፍሶም ድማ ብርኽሰቶም ደስ ይብላ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፤ ደስ ዘየብለኒውን ሓረዩ እምበር፥ ፀዊዐ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፤ ተዛሪበ ኸዓ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኣነ ኸዓ ዝጐድኦም ክሓሪ፥ ዝፈርሕዎ ድማ ኸውርደሎም እየ።” ኣቱም ብቓሉ እትንቅጥቀጡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦ “እቶም ዝፀልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዘሳጕጉኹምን ኣሕዋትኩም፥ ‘ንስኻትኩም እንትትሕጐሱ ኽንርእስ እስኪ እግዚኣብሄር ይኽበር’ ይብሉ። ግና ንሳቶም ክሓፍሩ እዮም። እቲ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ብርቱዕ ድምፂ፥ እቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ፥ ድምፂ እቲ ንፀላእቱ ፍዳ ዝፈዲ እግዚኣብሄር እዩ። ከምዙይ ዘመሰለ መን ሰምዐ? ኸምዙይ ዝበለኸ መን ረአየ? ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ትውለድ እያ? ህዝቢኸ ብሓንቲ ጊዜዶ ይውለድ እዩ? ፅዮን ግና ቕልውላው ምስ ሓዛ ሽዑ ንሽዑ እንተይተፅዓረት ደቃ ወሊዳ እያሞ። ኣነ ኣብ ጊዜ ምውላድ ዘብፃሕኹስ፥ ከም እትወልድዶ ሓይሊ ኽህብ ኣይክእልን እየ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፥ ንማህፀንዶ እዓፁ እየ?” ይብል ኣምላኽኪ። ምስኣ የመና ተሓጐሱ፤ ደስ ክብለኩም እዩ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንሰላም፥ ከም ፈሳሲ ሩባ፥ ንናይ መንግስታት ሃብቲ ኸዓ፥ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ከፍስሰላ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ኽትጠብዉ፥ ኣብ ማእገሮም ክስከሙኹም፥ ኣብ ኣብራኾም ከሰራስሩኹም እዮም። ከምቲ እኖ ንውሉዳ እተፀናንዖ፥ ከምኡ ኸፀናንዐኩም እየ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ክትፀናንዑ ኢኹም። ልብኹም ከዓ እዙይ ሪኡ ኽሕጐስ እዩ፤ ኣዕፅምትኹም ከዓ፥ ከም ለምለም ሳዕሪ ኽበቍል እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ትፍለጥ እያ፤ ቍጥዓኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ እዩ።” ቍጥዓኡ ብመዓት፥ መግናሕቱ ኸዓ ብሃልሃልታ ሓዊ ኽፈዲ፥ እንሆ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኽመፅእ እዩ፤ ሰረገላታቱውን ከም ንፋስ ኣውሎ ክኾና እየን። እግዚኣብሄር ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ብሓዊን ብሰይፍን ክፈርድ እዩሞ፥ እቶም ብእግዚኣብሄር ተወጊኦም ዝሞቱ ኸዓ፥ ብዙሓት እዮም። “ናብ ማእኸል ዘሎ ኣታኽልቲ ብምኻድ፥ ንርእሶም ዝቕድሱን ዘንፅሁን፥ ስጋ ሓሰማን ኣናፁን፥ ዝረኸሱ ነገራት ዝበልዑን፥ ኵሎም ብሓደ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። “ኣነ ግብሮምን ሓሳባቶምን እፈልጥ እየሞ፥ ኵሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመፅእ ኣሎ፤ ንሳቶም ድማ ኽመፁን ክብረይ ክሪኡን እዮም። ኣብኣቶም ከዓ ምልክት ክገብር እየ፤ ነቶም ካብኣቶም ዝደሓኑ ድማ ዝናይ ናብ ዘይሰምዑ ኽብረይውን ናብ ዘይረአዩ፥ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ሰብ ተርሴስ፥ ናብ ፉጥ፥ ናብ ሉድ፥ ናብ ሞሳሕ፥ ናብ ቱቤል ናብ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኾም እየ። ንሳቶም ድማ፥ ክብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክነግሩ እዮም። ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፥ ብፅሩይ ኣቕሓ ገይሮም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ከም መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፥ በፍራስን ብሰረገላታትን ብጋሪን በባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ገይሮም፥ ካብ ኵሎም መንግስታት፥ ናብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅእዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። “ካህናትን ሌዋውያንን ዝኾኑ ኸዓ፥ ካብኣቶም ክወስድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ካብ ሰርቂ ወርሒ፥ ክሳዕ ሰርቂ ወርሒ፥ ካብ ሰንበት ክሳዕ ሰንበት፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሰብ፥ ኣብ ቅድመይ ክሰግድ ክመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር። “ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።” ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት፥ ካብ ኬልቅያ ዝተወልደ፥ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቓል፥ ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። ከምኡውን ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተ ዓመት ግዝኣት ሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እቲ ኢየሩሳሌም ዝተማረኸትሉ መወዳእታ ሓምሻይ ወርሒ መፀ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣብ ከርሲ እኖኻ እንተይሃነፅኩኻ ኻብ ማህፀን እንተይወፃእኻ ቐደስኩኻ፤ ንኣህዛብውን ነቢይ ገይረካ ኣለኹ” በለኒ። ኣነ ድማ “ኣይፋልካን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ገና ቘልዓ እየሞ፤ እንሆ ኸመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” በልኩ። እግዚኣብሄር ግና “ገና ቘልዓ እየ ኣይትበል፤ ናብቶም ዝልእኸካ ዅሎም ክትከይድ ኢኻ፤ እቲ ዅሉ ዝእዝዘካ ድማ ኽትነግር ኢኻ። ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ሽዑ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ዳህሰሰኒ፤ “እንሆ፥ ክትዛረቦ ዝግብኣካ ቓል ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ እየ። ረአ፥ ሎሚ ኽትብቍስን ከተፍርስን፥ ክተዕኑን ክትግልብጥን፥ ክትነድቕን ክትተክልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ኣቝመካ እየ” በለኒ። ድሕሪዙይ “ኤርሚያስ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ ኣነ ድማ “በትሪ ኦም ለውዚ እግዚኣብሄር ከዓ “ፅቡቕ ርኢኻ፥ ንቓለይ ክተግሀሉን ከም ዝፍፀም ክገብሮን እየ” በለኒ። ንኻልኣይ ጊዜ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ ኣነውን “ገፁ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዝፈልሕ ድስቲ እርኢ ኣለኹ” በልኩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብ ሰሜን ወገን ኣብዛ ምድሪ ናብ ዝነብሩ ዅሎም፥ ክፉእ ነገር ክወርድ እዩ። እንሆ፥ ኣነ ንዅሎም ናይ ሰሜን መንግስታት ኣህዛብ ክፅውዖም እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ንሳቶም ከዓ መፂኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደገታት ኢየሩሳሌምን ኣብ ዙርያ ቕፅራን ኣብ ዙርያ እተን ካልኦት ከተማታት ይሁዳን ዘዙፋኖም ከንብሩ እዮም። ብሰንኪ ሓጢኣቶም፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ዕጣን ስለ ዝዓጠኑን፥ ኣእዳዎም ንዝሰርሕዎም ጣዖታት ስለ ዝሰገዱን ፍርደይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከንብር እየ። ንስኻ ግና ሕቘካ ተዓጠቕ፤ ተሲእኻ ዅሉ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኣቶም ከየሕፍረካስ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ። እንሆ፥ ኵሎም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ነገስታት ይሁዳን ሹመኛታታን ካህናታን ህዝባን፥ ሎሚ ኸም ዝተዓረደት ከተማን ከም ዓምዲ ሓፂንን ከም ቅፅሪ ነሃስን ገይረካ ኣለኹ። ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፤ ከም ዝተኸተልክኒ፥ እዝክር ኣለኹ።” ይብል እግዚኣብሄር።” ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኢሎም ኣይጠየቑን።” ንርስተይውን ኣርከስኩምዋ።” ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ኸዓ ተኸተልዎም።” ይብል እግዚኣብሄር።” ተገይሩ እንተ ኾይኑ ተመልከቱ።” ከንቱ ብዝኾነ ለወጡ።” የመናውን ራዕራዕ በሉ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ስለ ምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ? ከተማታቱውን ተቓፀላ፤ ዝነብረለንውን የለን። ደቂ ሜምፎስን ጣፍናስን ኣነወሩኽን ኣላገፁልክን። ስለ ዝሓደግክኒዶ ኣይኮነን? ብኣሶር መንገዲ እንታይ ኣለኪ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ክተመንዝሪ ደቀስኪ። ናብ ድቃላ ሃረግ ወይኒ ተለወጥኪ? ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። እትፋንን ግመል ኮንኪ። ኣብ ወርሓታ ይረኽብዋ። እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” በልኪ። ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም። ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሂቦምኒ እዮም እሞ፥ ንኦም “ንስኻ ኣቦይ ኢኻ” ንእምኒ ድማ “ንስኻ ወለድካኒ” ይብሉ፤ ብጊዜ መከራኦም ግና “ተስእ እሞ ኣድሕነና” ይብሉኒ። “ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ። ኵልኻትኩም ካባይ ከዲዕኹም ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ እትከራኸሩኒ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም። ኣታ ትውልዲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ንእስራኤልዶ ኸም ፀምፀም በረኻን ድቕድቕ ፀልማት ከም ዝኾነ ምድርን ኮይነዮም እየ? ስለ ምንታይ ደኣ ህዝበይ ‘ድልየትና ኽንገብር ኢና፤ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝብል? ጐርዞ ሽልማታ፥ መርዓት ከዓ ኽዳን መርዓኣዶ ትርስዕ እያ? ህዝበይ ግና ቝፅሪ ንዘይብሉ መዓልቲታት ረስዐኒ። ፍቕሪ ንምድላይ መንገድኺ ኸመይ ተቕንዒ ኣለኺ፤ ስለዙይውን ንኽፉኣት ኣንስቲ እኳ መንገድኺ ምሂርክየን ኢኺ። ደም ንፁሃት ድኻታት ኣብ ኢድኪ ተረኺቡ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ብጋህዲ ረኸብክዎ እምበር ብስውር ደልየ ኣይረኸብክዎን። ብደም እቶም ዝቐተልኪዮም ንፁሃት ድኻታት ተፀዪቑ፤ እንሆ እዝ ዅሉ ጌርኪውን፥ ‘ኣነ ንፅህቲ እየ፤ ብርግፅ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ ኣለኺ። ኣነ ግና እንሆ ‘ሓጢኣት የብለይን’ ስለ ዝበልኪ፥ ብፍርዲ ክኸሰኪ እየ። ስለ ምንታይ መንገድኺ ንምልዋጥ ትጐዪ ኣለኺ? ኸምቲ ብኣሶር ዝተዋረድኪ፥ ብግብፂ ኸዓ ኽትዋረዲ ኢኺ። ኢድኪ ኣብ ርእስኺ ጌርኪ ኽትወፂ ኢኺ። ነቶም እትእመንዮም፥ እግዚኣብሄር ደርቢይዎም እዩሞ፥ ብኣኣቶም ኣይቐንዐክን እዩ።” ከምቲ ዝበሃል፦ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ፥ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኻልእ ሰብኣይ እንተእተወት፥ ብሓቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ መሊሱዶ ኸእትዋ ይኽእል? እታ ሰበይቲ እቲኣ የመና ዝረኸሰትዶ ኣይኮነትን? ንስኺ ግና ምስ ብዙሓት ፈተውቲ መንዚርክስ፥ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣዒንትኺ ቋሕ ኣብሊ እሞ፥ ናብ ጫፍ ኰረብታታት ጠምቲ፤ ዘይደቀስክሉ ቦታ ኣበይ ኣሎ? ኸምቲ ዓረባዊ ኣብ ምድረ በዳ ዝቕመጥ፥ ኣብ መንገዲ ተቐሚጥኪ ትፅበይዮም ነበርኪ፤ ብምንዝርናኽን ብሰንኪ እዙይ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፥ ዝናም ፅብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገፅ ኣመንዝራ ስለ ዘለኪ ምሕፋር ኣበኺ። “ሕዚ ኸዓ እንሆ ‘ኣቦይን መሓዛ ንእስነተይን ንስኻ ኢኻ፤ ኢልኪዶ ትፅውዕኒ ኣየለኽን? ንዅልሻዕዶ ይቝጣዕ እዩ? ኽሳዕ መወዳእታውን ክቝጣዕ ድዩ?’ ትብሊ ኣለኺ፤ ግና እንሆ ኽሳዕ ዝኣኽለኪ ኽፉእ ትገብሪ ኣለኺ።” እዝ ዅሉ ምስ ገበረት ከዓ ናባይ ክትምለስ እያ ኢለ ነይረ፤ ግና ኣይተመለሰትን። እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኸዓ ነዙይ ረአየት። ነዛ ኸዳዕ እስራኤል ብሰንኪ ዝሙታ ኸም ዝፈታሕኽዋ ዘመልክት ፅሑፍውን ከም ዝሃብክዋ፥ ሪኣ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኣይፈርሐትን፤ ከይዳውን ከም ዘመንዘረት ረአኹ! ብቕለት ምንዝርናኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፤ ምስ እምንን ምስ ኦምን ከዓ ዘመወት። ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኽተምስል እምበር፥ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመለሰትን።” ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ፥ እታ ኸዳዕ እስራኤል ዝሐሸ ፀዲቓ ተረኽበት። ኪድ እሞ ንሰሜን ወገን ነዘን ቃላት እዚኣተን ተናገር፤ በልውን፦ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፥ ተመለሲ፤ ኣነ መሓሪ እየሞ፥ ንዘለኣለም ኣይቝጣዕን እየሞ፥ ገፀይ ኣየትርረልክን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እምበኣርከስ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ ተኣመኒ፤ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋም ንጓኖት ኣማልኽቲ ኽትሰግዲ ኣብዙይን ኣብቱይን ፀፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፥ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኺ ተኣመኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር። “ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፥ ኣነ ጐይታኹም እየ፤ ከካብ ከተማ ሓደ፥ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ፥ ኣምፂአ ናብ ፅዮን ከእትወኩም እየ እሞ ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከም ልበይ ዝኾኑ ሓለውቲ ኣባጊዕ ክህበኩም እየ፤ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ክሕልዉኹም እዮም። በቲ ዘመን እቱይ ምስ በዛሕኹምን ኣብቲ ምድሪ ኸዓ ምስ ተፋረኹምን፥ ብናይ ታቦት ኪዳነይ ኣይዛረቡን፤ ኣይሓስብዎን፥ ኣይዝክርዎን ድማ እዮም። ኣየድልዮምን እዩ፤ ከም ብሓድሽውን ኪዳን ታቦት ኣይስራሕን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሽዑ ኢየሩሳሌም ዙፋን እግዚኣብሄር ክትብሃል እያ፤ ኵላቶም ኣህዛብ ከዓ ብስም እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ፥ ድሕሪዙይ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይገብሩን እዮም። በተን ወርሓት እቲኣተን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክኸዱ፥ ሓቢሮም ድማ ኻብ ሃገር ሰሜን፥ ናብታ ነቦታትኩም ክወርስዋ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽመፁ እዮም።” ኣይትምለስን ኢለ ነበርኩ።” ጠለምኩምኒ” ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ እምባታት ተሰምዐ። እኒሀና ናባኻ ንመፅእ ኣለና። ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ። ደቆምውን ሕፍረት በሊዑሎም እዩ። ነውርና ኸዓ የጐልብበና። “ኦ እስራኤል፥ እንተ ተመለስካ ናባይ ደኣ ተመለስ። ንርኽሰትካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣወጊድካ፥ ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ፥ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኮይኑ ሃልሃል ከይብልስ፥ ንእግዚኣብሄር ተገረዙ፤ ናይ ልብኹም ሸለፈትውን ኣወግዱ።” ኢልኩም ንገሩ። መፀግዒ ድለዩ፤ ኣይትደንጕዩ። ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን። ከሊ ተኸደኑ፤ ኣልቅሱ፤ ዋይ ዋይ ድማ በሉ። ነቢያትውን ክድንፀዉ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። ሽዑ ኣነ “ኣየ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በፂሑ እንተሎስ፥ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ብርግፅ ጠበርካዮ” በልኩ። በቲ ዘመን እቱይ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ከምዙይ ክበሃል እዩ፦ “ዘቃፅል ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብ ጓል ህዝበይ ክመፅእ እዩ” ግና ንምምሳእን ንምዝራውን ዝኸውን ኣይኮነን። እቲ ኻባይ ዝመፅእ ንፋስ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ኣነውን ሕዚ ፍርደይ ክነግሮም እየ። እንሆ ኸም ደመና ኾይኑ ይወፅእ ኣሎ፤ ሰረገላታቱ ኸም ኣውሎ ንፋስ እዮም፤ ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ ወይለና! ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕፀቢ። ክሳዕ መኣዝ ኢዩኸ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ውሽጥኺ ዝነብር? ካብ ዳን ድምፂ ይስማዕ፤ ካብ እምባታት ኤፍሬምውን ናይ መከራ ወረ ይውረ ኣሎ። እንሆ ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝኸብብ ሰራዊት ይመፅእ ኣሎ፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ይፍክሩለን ኣለዉ ኢልኩም ንኣህዛብ ንገርዎም፥ ንኢየሩሳሌምውን ኣፍልጥዋ። ንኣይ ስለ ዝተፃረረት፥ ከም ሓለውቲ ግራት ኮይኖም ብዅሉ ወገና ይኸብዋ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኦ ይሁዳ፥ ነዙይ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ዝወርድ ዝገበረ፥ ኣካይዳኽን ግብርኽን እዩ፤ እዙይ መሪር እዩሞ፥ ናብ ልብኺ ይበፅሕ። ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ። ከም ቅፅበት ዓይኒ ጠፍኣ። ድምፂ መለኸትውን ዝሰምዕ? ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።” ብርሃን ከዓ ኣይነበሮምን። ኵላቶም ኰረብታታትውን የንቀጥቅጡ ነበሩ። ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ በሪረን ነበራ። እተን ከተማታት ድማ ፈሪሰን ረአኽወን። ግና ፈፂመ ኣየጥፍኣን እየ።” ኣየናሕስየሉን፤ ካብኡ ኣይምለስን ድማ እየ። ኣብኣተን ዝነብር ሰብ እውን ኣይርከብን። ንነፍስኺውን ይደልዩዋ ኣለዉ። ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት። ኣነውን ክምሕራ እየ። ማሕላኣቶም ሓሰት እዩ። ብንስሃ ምምላስውን ኣበዩ። ብርግፅ ድኻታትን ሰነፋትን እዮም። መእሰሪውን በተኹ። ውፅእ ንዝበለውን ይምንጥሎ። ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ። ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብፃዩ ይንህር። ሕነ ኽፈድዮዶ ኣይግብአንን እዩ?” እቲ ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኮነን እሞ ኣርሕቕዎ። ይብል እግዚኣብሄር።” ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ኢሎም ሓሰት ተናገሩ፦ “እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ዝገበሮ የለን፤ ክፉእ ኣይወርደናን እዩ፤ ውግእን ጥሜትን ኣይንርእን ኢና። እቶም ነቢያት ከም ንፋስ ክኾኑ እዮም፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልዎ ቓልውን የብሎምን። እቲ ዝብልዎ ናብ ርእሶም ይውረድ” በሉ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት “እዝ ቓል እዙይ ስለ ዝተዛረቡ፥ እንሆ፥ ንቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ ኽገብሮ እየ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ኸም ዕንፀይቲ ኽገብሮ እየ እሞ፥ እቲ ሓዊ ኽበልዖም እዩ” ይብል ኣሎ። ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከምፅአልኩም እየ፤ ንሳቶም ሓያላትን ጥንታውያንን ህዝቢ እዮም፤ ቋንቋኣቶም ዘይትፈልጥዎ፥ ዘረባኣቶም ድማ ዘይተስተውዕልዎ ህዝቢ እዮም። መሕደሪ ፍላፃታቶም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ኵላቶም ከዓ ጀጋኑ እዮም። ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ግና በተን መዓልቲታት እቲኣተን እውን፥ ፈፂመ ኣየጥፍአኩምን እየ። ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ምንታይ እዩ እዝ ዅሉ ዝገበረና?’ ኢሎም እንተ ጠየቑ፥ ንስኻ ‘ከምቲ ንስኻትኩም ንኣይ ዝሓደግኩምኒ እሞ፥ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ዝተገዛእኹም፥ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይሃገርኩም፥ ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነዙይ ኣብ ያእቆብ ኣውርዩ፤ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ንገሩ፤ ከምዙይውን በሉ። ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፥ ዓይኒ እንተለዎም ዘይሪኡ፥ እዝኒ እንተለዎም ድማ ዘይሰምዑ ሰነፋት ህዝቢ፥ ነዙይ ስምዑ። ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ግና፥ እምቢተኛን ከዳዕን ልቢ ኣለዎም፤ ንድሕሪት ተመሊሶም ዕዝር በሉ። ብልቦም ከዓ፥ በብጊዜኡ ዝናም ፅድያን ቀውዕን ንዝህበና፥ ምዱባት ሰሙናት ቀውዒውን ዝሰርዐልና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሓዮ ኣይበሉን። በደልኩም ነዙይ ኣትረፈልኩም፤ ሓጢኣትኩምውን ሰናይ ነገር ከይትቕበሉ ኣኽለአኩም። “ኣብ መንጎ ህዝበይ ክፉኣት ሰባት ኣለዉ፤ ከምቶም ኣዕዋፍ ክሕዙ መፈንጠር ኣፃዊዶም ዘድብዩ፥ መፈንጠር ዘርጊሖም ሰብ ይሕዙ ኣለዉ። ከምቲ እንዳ ዒፍ በዕዋፍ ዝመልእ፥ ከምኡ ድማ ቤቶም ብጥበራ ዝተመልአ እዩ። ስለዙይ ዓበይትን ሃብታማትን ኮኑ፤ ረጐዱ፤ ሰብሑ። ንኽፍኣቶም ወሰን የብሉን፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን። “በዝ ነገር እዙይዶ ኣነ ኣይቐፅዖምን እየ? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዝበለ ህዝብዶ ኽብቀሎ ኣይግብአንን እዩ? ኣብታ ሃገር እቲኣ ጉድን ዘስካሕክሕን እዩ ዝግበር ዘሎ። ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?” ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ። ነዛ ፅብቕትን ሕንቅቕትን ጓል ፅዮን ከጥፍኣ እየ። ጓሶት ምስ መጓሰታቶም ናብኣ ይመፁ። ድንኳናቶም ከዓ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፤ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ኣብኣ መጓሰኦም የዋፍሩ። “ክትዋግእዋ ተዓጠቑ፤ ተስኡ ቐትሪ እንተሎ ንውፃእ፥ ምድሪ መስዩ እዩ፤ ፅላሎት ምሸት ከዓ ነዊሑ እዩሞ ወይለና። ተስኡ ብለይቲ ንውፃእ፤ ነዳራሻታታውን ነፍርሶ።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣእዋማ ቝረፁ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ ብቕፅሪ ኽበብዋ። ብዅሉ ወገና ዓመፅን ግፍዕን ኣለዋ እሞ፥ እትቕፃዕ ከተማ እያ። ዒላ፥ ማይ ከም ዘፈልፍል፥ ከምኡ ኸዓ ኽፍኣት ተፈልፍል ኣላ። ኣብኣ ዓመፅን ጥፍኣትን ይስማዕ ኣሎ፤ ሕማምን ቍስልን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ኸይሓድገክን፥ ሰብ ዘይብላ ምድረ በዳውን ኸይገብረክስ ተግሳፅ ተቐበሊ።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብ ወይኑ ኸም ዝቕርም ከምኡ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤል ክቕርምዎም እዮም፤ ከምቲ ኣራዪ ዘቢብ ኣብ ሃረግ ዝገብሮ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።” ኣነ ኸዓ “እንሆ እዝኖም ዘይተገረዘ፥ ክሰምዑ ዘይኽእሉ እዮም። ንቓል እግዚኣብሄር ከም ነውሪ ስለ ዝቘፀርዎ፥ ደስ ኣየብሎምን እዩ። እሞኸ ደኣ ምእንቲ ኽሰምዑስ ንመን እየ ዝዛረብ? ንመንከ እየ ዘጠንቅቕ? ስለዙይ ብቝጥዓ እግዚኣብሄር ተመሊአ ኣለኹ፤ ክዕገስ ድማ ኣይክእልን። ኣብ ሜዳ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣብቶም መናእሰይ ባይቶን ኣሕቢርካ ኣፍስሶ፤ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኽውሰዱ እዮም፤ ኣረጋውያንውን ምስ ጐበዝ ክተሓዙ እዮምሞ። ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየሞ፥ ኣባይቶም፥ ገራሁኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ንኻልኦት ክኾኑ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ። ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ። ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ። ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ። “ኣቱም ኣህዛብ ስምዑ፤ ኣቱም ማሕበር፥ እቲ ዝመፆም ዘሎ ፍለጡ። ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ። ስለ ምንታይ ዕጣን ካብ ሳባ፥ ምዑዝ ቃንጫ ድማ ኻብ ርሑቕ ሃገር እተቕርቡለይ? ዝቃፀል መስዋእትኹም ደስ ኣየብለንን እዩ፤ እቲ ኻልእ መስዋእትኹምውን ኣየብህገንን እዩ። ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ መዐንቀፊ እምኒ አንብር ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣቦታትን ውሉድን ሓቢሮም ክዕንቀፉ፥ ጐረቤትን ዓርኩን ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመፁ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይለዓል። ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።” “ወረኦም ሰማዕና፤ ኢድና ደኺማ ኣላ። ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ወላድ ሰበይቲ ቕልውላው ጭንቂ ሓዘና። ሰይፊ ፀላኢን፥ ፍርሓትን ኣብ ኵሉ ወገን ኣሎሞ፥ ናብ መይዳ ኣይትውፅኡ፤ ብመንገድታትውን ኣይትኺዱ።” “ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ክመፀና እዩ እሞ ኸሊ ተኸደኒ፤ ኣብ ሓሙዅሽቲ ፈፈው በሊ፤ ንሓደ ወዳ ኸም እትሓዝን ሕዘኒ፤ መሪር ብኽያትውን ብኸዪ። መንገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምሮምን ኣብ ማእኸል ህዝበይ ፈታኒ ገይረ ኣቖምኩኻ። ኵላቶም የመና ዓመፀኛታት እዮም፤ ከም ነሃስን ሓፂንን ዝተረሩ ጠለምትን ከዳዓትን እዮም። ኵላቶም ሓሜት እናዘርኡ ይኸዱ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ብልሽዋት እዮም። እቲ መናፍሕ ይነፍሕ፤ እቲ ዓረር ብሓዊ መኸኸ። እቶም ክፉኣት ካብ መንጎኣቶም ስለ ዘይተፈልዩ ኸዓ ንህዝበይ ምንፃህ ከንቱ እዩ። እግዚኣብሄር ኣወጊድዎም እዩሞ ‘ዝተወገዱ ብሩር’ ኢሎም ክፅውዕዎም እዮም።” እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦ “ኣብ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ደው በል፤ እዝ ቓል እዙይውን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደገታት እዚኣተን እትኣትዉ ሰብ ይሁዳ ኵልኻትኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣፀብቑ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ከንብረኩም እየ። መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ እናበልኩም ኣብ ቃል ሓሰት ኣይትተኣማመኑ። “ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥ ንጓናን ንደኽታምን ንመበለትን እንተ ዘየጨኒቕኩም፥ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንፁህ ደም እንተ ዘየፍሲስኩም፥ ንዝጐድኡኹም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይተኸቲልኩም፥ ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃብክዎም ምድሪ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ። “እንሆ፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ዘይጠቅም ቃል ሓሰት ትተኣማመኑ ኣለኹም። ኣየ ንስኻትኩም! ትሰርቁ፤ ትቐትሉ፤ ትዝምዉ፤ ብሓሰት ትምሕሉ፤ ንበዓል ትዓጥኑ፤ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትኽተሉ ኣለኹም። መፂእኹምውን ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ኣብዝ ቤት እዙይ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይምኩም፥ እዝ ፅዩፍ ዝኾነ ነገር ኣይገበርናን በልኩም። እዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት፥ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉትዶ ኾይና እያ? እንሆ፥ ኣነ ባዕለይ ሪአዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እምበኣርከስ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፥ ናብ ሴሎ ኺዱ እሞ፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ። ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበርኩም ኣንጊሀ ተሲአ ተዛረብኩኹም፤ ኣይሰማዕኹምን፤ ፀዊዐኩምውን ኣይመለስኩምን። ስለዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ ሴሎ ዝገበርክዎ፥ ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ብእትተኣማመኑሉ ቤት፥ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ኣብ ዝሃብክዎ ስፍራ ኸምኡ ኽገብር እየ። ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም ዘወገድኩምዎ፥ ካብ ቅድመይ ከወግደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እምበኣር ኣይሰምዐካን እየ እሞ፥ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ኣይትማህለል፤ ኣይትፀሊ፤ ላሕውን ኣይተብለኒ። ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ዝገብርዎ ዘለዉዶ ኣይትርእን ኢኻ? ደቆም ዕንፀይቲ ይእክቡ፤ ኣቦታት፥ ሓዊ ይኣጕዱ፤ ኣንስቲ ኸዓ ነታ ንግስቲ ሰማይ ዝብልዋ ጣዖት ዝኸውን ቅጫ ኽስንክታ ብሑቕ የቘምጥዓ፤ ንኣይ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ፥ መስዋእቲ መስተ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍዩ ኣለዉ። ንኣይ ከቘጥዑ ድዮም? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንገፆምስ ሕፍረትዶ ኣይኮነን? ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ ኻልእ መስዋእትኹም ወስኽዎ እሞ፥ ነቲ ስጋኡውን ብልዑ። ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ብናይ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን። እኳ ደኣ ‘ቃለይ ስምዑ፤ ኣነ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ህዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ፅቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ እውን፤ በቲ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም መንገድታት ተመላለሱ’ ኢለ ኣዘዝክዎም። “ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን። ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዅላቶም ኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ኣብ ፀፅባሕውን ለኣኽኩልኩም። ግና ኽሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖምውን ናባይ ፅን ኣይበላን፤ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዝገድድ ድማ ገበሩ። “እዝ ዅሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፥ ኣይሰምዑኻን እዮም፤ እንተ ፀዋዕኻዮምውን ኣይምልሱልካን እዮም። ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይሰምዑ፥ ተግሳፅ ከዓ ዘይቕበሉ ህዝቢ እዚኣቶም እዮም። ሓቂ ጠፊኣ እያ፤ ካብ ኣንደበትኩምውን ርሒቃ እያ፤ ክትብሎም ኢኻ። ዋይ ዋይ እናበልኪ ብኸዪ። “ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ገበሩ፤ ዘፀይፍ ጣዖት ኣብኡ ብምቕማጥ ከዓ፥ ነቲ ብስመይ ዝተሰምየ ቤት ኣርከስዎ። ኣነ ኸቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሓሰብክዎን፥ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኸንድዱ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም ንቶፌት መስገዲ ዀረብታ ሰርሑ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዙይ ከዓ እንሆ፥ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ወዲ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን። ካልእ ስፍራ ስለ ዝተስአነ ድማ፥ ኣብ ቶፌት ሰባት ክቐብሩ እዮም። ሬሳታት እዝ ህዝቢ እዙይ ብልዒ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት በረኻን ክኸውን እዩ። ዘባርሮምውን ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ። እታ ሃገር እቲኣ ኽትባድም እያ፤ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን፥ ድምፂ መርዓትን ድምፂ መርዓውን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። “በቲ ጊዜ እቱይ ነዕፅምቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ነዕፅምቲ መኳንንቲ ይሁዳን ነዕፅምቲ ኻህናትን ነዕፅምቲ ነቢያትን፥ ነዕፅምቲ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን፥ ካብ መቓብሮም ከውፅእዎ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን። ኵሎም እቶም ካብዝ ኽፉእ ወለዶ እዙይ ዝተረፉ፥ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ስፍራ ዘለዉ፥ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ክመርፁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸምዙይ ክብሎም ነገረኒ፦ “ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትስእን እዩ? ዝሰሓተኸ ኣይምለስን ድዩ? ህዝቢ ኢየሩሳሌም ደኣ ስለ ምንታይ ኵልሻዕ ንድሕሪት ዝምለስ? ኣብ ተንኰል ፀኒዖም ምምላስውን ይኣብዩ። ፅን ኢለ ሰማዕኹ፤ ቅንዕና ኣይዛረቡን፤ ካብ ክፍኣቱ ዝናሳሕን ‘ስለ ምንታይ ክፉእ ገበርኩ’ ዝብልን የለን። ከምቲ ናብ ውግእ ዝፋንን ፈረስ፥ ነፍሲ ወከፎም በብመንገዶም ይኸዱ። ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፤ ባሪቶን ለዃዂቶን ዓያን ዝምለሳሉ ጊዜያት ይፈልጣ፤ ህዝበይ ግና ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን። ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ‘ንሕና ለባማት ኢና፤ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም? እንሆ ሓሰውቲ ፀሓፍቲ ናብ ሓሰት ለዊጦምዎ እዮም። እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩን ክድንግፁን ክተሓዙን እዮም። ንሳቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሓዲጎምስ፥ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ሃልይዎም እዩ? ካብ ኣናእሽቶኦም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም ስስዐ ይኽተሉ፤ ካብ ነቢይ ኽሳዕ ካህን ኵላቶም ሓሰት የዘውትሩ። ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፤ ገራሁኦምውን ንዘጥርይዎ ክህቦ እየ። ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ሰላም እናበሉ፥ ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ። ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። “ኣነ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ኣብ ሃረግ፥ ወይኒ ኣይርከብን፤ ኣብ ኦም በለስውን በለስ ኣይርከብን፤ ቈፅሊ እኳ ይረግፍ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኽህቦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ። ንሰላም ብተስፋ ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀ ኾነ። ፀላእትና ድሮ ኽሳዕ ከተማ ዳን በፂሖም ኣለዉ፤ ድምፂ ኹርፋ ኣፍራሶም ኣብ ዳን ተሰምዐ። ብምሕምሓም ድንጉላ ኣፍራሶም ድማ ዅላ እታ ሃገር ትርዕድ። መፁ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ንዝነብሩ ዅሎምን ከዓ በልዕዎም።” “እንሆ፥ ዓዛሚ ኽዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገበላትን ክሰደልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽነድፉኹም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ። ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?” ሓጋይ ተወድአ፤ ንሕና ኸዓ ኣይደሓንናን።” ፀለምኩ፤ ሰካሕኹውን። ጓል ህዝበይ ደኣ ስለ ምንታይ ዘይተፈወሰት? ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ! ኣብ ምድረ በዳ መሕደሪ ኣጋይሽ መን ምሃበኒ! ይብል እግዚኣብሄር። ንሓዉ እውን ኣይእመኖ። ሓጢኣት ንምግባርውን ይደኽሙ። ኣይፈልጡን እዮም” ይብል ኣሎ። ካብዙይ ዝበለ እንታይ ክገብር እኽእል? ብልቡ ግና ይፀናተዎ። ክትብቀልዶ ኣይግባእን? ይብል እግዚኣብሄር።” ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።” ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ። ኣነ ድማ “እታ ሃገር፥ ሓደ እኳ ብኣኣ ዝሓልፍ ዘየለ ኾይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍአትስ ስለ ምንታይ እዩ? እቲ ነዙይ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዙይ ክገልፆኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረበ?” በልኩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ዅሉ ዝኾነ፥ ነቲ ኣብ ቅድሚኣቶም ዘንበርክዎ ሕገይ ሓደጉ። ቃለይ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን። እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ። ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዕረ ኸብልዖ፥ መሪር ማይውን ከስትዮ እየ። ኣብ ማእኸል እቶም ንሳቶም ኮኑ ኣቦታቶም ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ሰይፊ ደድሕሪኣቶም ክሰደሎም እየ።” ንኽመፃ ናብተን ብልሓተኛታት ኣንስቲ እውን ለኣኹለን።” ቀልጢፈን የልቅሳልና” በሉ። ዝብል ድምፂ ቝዘማ ኻብ ፅዮን ይስማዕ ኣሎ። ንስንሳትክን ከዓ ቝዘማ ተመሃሃራ። ናብ ኣዳራሻትናውን ኣትዩ እዩ። ይብል እግዚኣብሄር።” ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ። ይብል እግዚኣብሄር።” “ኵላቶም ኣህዛብ ኣይተገርዙን፤ ኵሎም ቤት እስራኤልውን ልቦም ኣይተገርዘን እዩሞ፥ እንሆ ንዅሎም ግሩዛት ንግብፅን ይሁዳን ኤዶምያስን ኣሞንን ሞኣብን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ዅላቶምን፥ ብዘይ ምግራዞም ዝቐፅዐለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ንኣኻትኩም ዝዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። በቲ ኣብ ሰማይ እትሪእዎ ምልክታት ኣይትፍርሑ። ፀራቢ ኸዓ ብምሳር ይፀርቦ፤ ብመዶሻን የጋጥምዎ። ክፉእ ድማ ኽገብሩ ኣይኽእሉን እዮምሞ ኣይትፍርሕዎም።” ሓይሊ ስምካ ድማ ዓብዪ እዩ። ንኣኻ ዘይፈርሕ መን እዩ? ከንቱ ናይ ጣዖታት ትምህርቲ፥ ዕንፀይቲ እዩ። ሰማያውን ቀይሕን እዩ። ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን። ክጠፍኡ እዮም’ ክትብልዎም ኢኹም።” ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዝዘርግሐ ንሱ እዩ። ንንፋስ እውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ። በቲ ዝገበሮ ምስሊ ሓፈረ፤ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ኽጠፍኡ እዮም። ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። “ኣቲ ኣብ ዕርዲ ዘለኺ፥ ኣቓሑኺ ኻብ ምድሪ ኣክቢ፤ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ፥ በዝ ጊዜ እዙይ ናብ ርሑቕ ሃገር ከወንጭፎም እየ፤ ክሳዕ ዝፍለጦምውን ከፅብበሎም እየ።” ክፅመሞ እየ በልኩ። መጋረጃይ ከዓ ዝሰቅል የለን።” እቲ መጓሰ ኸዓ ፋሕ ኢሉ ኣሎ። ካብ ሃገር ሰሜን ይመፅእ ኣሎ። ካብ ባዕሉ ኣይኮነን። ምእንቲ ኸይጠፍእስ ብቝጥዓኻ ኣይኹን። ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ። ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦ “ንትሕዝቶ እዝ ኪዳን እዙይ ስማዕ። ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከዓ፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ ነቲ ኣብዝ ቓል ኪዳን እዙይ ዘሎ ትእዛዛት ዘይፍፅም ርጉም ይኹን። ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም። ሽዑ ኸምዝ ሕዚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከም ዝህቦም ነቦታቶም ኣተስፍየዮም ዝነበርኩ ኽፍፅሞ እየ” ኣነ ኸዓ “ኣሜን ጐይታይ” ኢለ መለስኩ። ሽዑ እግዚኣብሄር “ናብ ከተማታት ይሁዳን፥ ናብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ኪድ። ንትእዛዝ ኪዳነይ ክሰምዕዎን ክፍፅምዎን ኣውጀሎም። ነቦታቶም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ክእዘዙኒ ኣበርቲዐ ኣጠንቀቕኩዎም፤ እወ፥ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸየቋረፅኩ ኣጠንቀቕኩዎም። ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም፥ ብትሪ ኽፉእ ልቦም ከዱ እምበር፥ ኣይሰምዑንን ኣይተኣዘዙንውን። ስለዙይ ከዓ ነቲ ኽገብርዎ ዝኣዘዝክዎም ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነዝ ኣብዝ ኪዳን እዙይ ተገሊፁ ዘሎ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ” በለኒ። እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በለኒ፦ ኣብ መንጎ ህዝቢ ይሁዳን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ሻራ ተረኺቡ ኣሎ። ንሳቶም ናብ ሓጢኣት እቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመለሱ። ንኸምልኹዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኪዳነይ ኣፍረስዎ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፤ ናባይ ከእውዩ እዮም፤ ኣነ ግና ኣይሰምዖምን እየ። ሽዑ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናብቶም ዝዓጥኑሎም ኣማልኽቲ ኸይዶም ከእውዩ እዮም። ግና ብጊዜ መከራኦም ከቶ ኣየድሕንዎምን። ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ። ንሱውን ንበዓል ምእንቲ ኽትዓጥኑሉ፥ መሰውኢ ጌርኩም ኢኹም፤ ንስኻስ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ምእንትኣቶም ከዓ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን። ፈታዊተይ ክፍኣት እናገበረትስ፥ ኣብ ገዛይ እንታይ ኣለዋ? መብፅዓን ዝተቐደሰ ስጋን፥ ቅፅዓትኪ ኸርሕቐልኪዶ ይኽእል? ወይ በዚኣቶም እተምልጢዶ ይመስለኪ? እግዚኣብሄር “ፅቡቕ ፍረ ዘለዋ፥ ዝለምዐት ኦም ኣውሊዕ” ኢሉ ንስምኪ ፀውዖ፤ ብድምፂ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ሓዊ ኣንደደላ፤ ጨናፍራውን ተሰባበሩ። ቤት እስራኤልን ቤት ያእቆብን፥ ንጣዖት ብምዕጣን ብዝገብርዎ ኽፍኣት ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ንኣኺ ዝተኸለ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክፋእ ነገር ተናገረልኪ። እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ፤ ኣነውን ፈለጥኩ፤ ስራሖምውን ገለፅካለይ። ኣነ ግና ንማሕረዲ ኸም ዝዅብኰብ የዋህ ጡበት ነበርኩ፤ ንሳቶም “ስሙ ኸይዝከር፥ ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ንቝረፃ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ነጥፍኣያ፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ስሙ ኣይዘከር” ኢሎም ከም ዘሻረዉለይ ኣይፈለጥኩን ነይረ። ሽዑ “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ቅኑዕ እትፈርድ፥ ልብን ኰላሊትን ከዓ እትምርምር፥ ነገረይ ኣባኻ ኣማዕቝብ ኣለኹ እሞ፥ ምፍዳይ ሕነኻ ኣብኣቶም ኣርእየኒ” በልኩ። ህይወትካ ንምጥፋእ ንዝደልዩን፥ ብስም እግዚኣብሄርውን ትንቢት ኣይትናገር፥ እንተ ዘይኮይኑ ብኢድና ኽትሞት ኢኻ ንዝብሉኻ ሰብ ኣናቶት፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ክቐፅዖም እየ፤ ኣጓብዞም ብሰይፊ፥ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜት ክሞቱ እዮም። በታ ንሰብ ኣናቶት ዝቐፅዐላ ዓመት፥ ኣብኣቶም መዓት ከውርድ እየ እሞ፥ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን።” መንገዲ ኸዳዓትስ ንምንታይ ይሳኻዕ? ካብ ልቦም ግና ርሑቕ ኢኻ። ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፈሊኻ ኣዳልዎም። እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።” እንታይ ክትገብር ኢኻ? ስለዙይ ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን ኣይትእመኖም።” ኣብ ኢድ ፀላእታ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ። ስለዙይውን ፀላእኽዋ። ክበልዑውን ኣምፅእዎም። ንግደ ርስተይ ከም ዝፀወመ ምድረ በዳ ገበርዋ። እታ ሃገር ብምልእታ ምድረ በዳ ኾነት። ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ሰላም የለን። ብኣዝመራኹም ክትሓፍሩ ኢኹም።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ እስራኤል ዘውረስክዎም ርስቲ ንዝነኽኡ ዅሎም ክፉኣት ጐረባብቲ፥ ካብ ምድሮም ክነቕሎም እየ። ንቤት ይሁዳውን ካብ ማእኸሎም ክነቕሎ እየ። ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ። ብበዓል ክምሕሉ ንህዝበይ ከም ዝመሃሩዎም ንሳቶም ድማ መንገዲ ህዝበይ ብትግሃት እንተ ተምሃሩ፥ ህያው እግዚኣብሄር ኢሎም ብስመይ እንተ መሓሉ፥ ሽዑ ኣብ ማእኸል ህዝበይ ክምስረቱ እዮም። እንተ ዘይሰምዑ ግና ኣነ ነቲ ህዝቢ እቱይ ፈፂመ ኽነቕሎ እየ፤ ከጥፍኦውን እየ” ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ድማ “ኪድ እሞ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐት መዕጠቒ ገዚእኻ ሕቘኻ ተዓጠቐላ፤ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ” በለኒ። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ መዕጠቒ ዓዲገ ኣብ ሕቘይ ተዓጠቕኩላ። ንኻልኣይ ጊዜ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ነታ ዓዲግካ ዝተዓጠቕካያ መዕጠቒት ሒዝካ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኪድ፤ ኣብ ነቓዕ ኰዅሒ ኸዓ ሕብኣያ” በለኒ። ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሓባእኽዋ። ነታ ኣብኡ ኽትሓብኣ ዝኣዘዝኩኻ መዕጠቒት ካብኡ ውሰዳ” በለኒ። ኣነውን ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ከይደ፥ ካብቲ ዝሓባእኽዋ ዅዒተ ነታ መዕጠቒት ኣምፃእኽዋ። እንሆውን እታ መዕጠቒት ተበላሽያ፥ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኾይና ፀንሐት። ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መሊሱ ናባይ መፀ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፤ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት ኢየሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ። እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ። ኣነስ ኵሎም ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ንኣይ ህዝብን ስምን ምስጋናን ክብርን ክኾኑኒ ኢለ፥ ከምታ መዕጠቒት ኣብ ሕቘ ሰብኣይ እትጠብቕ፥ ከምኡ ናባይ ኣጥበቕክዎም፤ ግና ኣይተኣዘዙንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል “ኵሉ ኣሕርብቲ፥ ወይኒ ኽምላእ እዩ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ንሳቶም ድማ “ኣሕርብቲ ወይኒ ኸም ዝምላእዶ ኣይንፈልጥን ኢና?” ኽብሉኻ እዮም። ሽዑ ንስኻ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ምለሰሎም፦ “እንሆ፥ ንዅሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ፥ ብስኽራን ክመልኦም እየ። ሽዑ ሰብ ምስ ሰብ፥ ነቦታት ምስ ውሉድ ከላትሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር ንሓደ እኳ ኣይሓዝነሉን፤ ኣይርህርህን፤ ኣይምሕርንውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ፅን በሉ፤ ኣይትተዓበዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ። ንብዓት ከዓ ዘራዕራዕ የብላ ኣለዋ። ‘ትሕት ኢልኩም ተቐመጡ’ ” ኢልካ ንገሮም። “ከተማታት ደቡብ ተዓፅየን እየን፤ ዝኸፍተን ድማ የለን። ኵላ ይሁዳ ተማረኸት፤ ፈፂማውን ተማረኸት።” ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም ነዞም ካብ ሰሜን ዝመፁ ዘለዉ ረአዩ። ንኣኺ ተውሂቦምኺ ዝነበሩ መጓሰ፥ እቲ ፅቡቕ መጓሰኺ ኣበይ ኣሎ? እቶም ፈተውትኺ ክኾኑ፥ ባዕልኺ ዘሰልጠንክዮም፥ ገዛእትኺ ምስ ገበሮም እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ ቕልውላው ዝተትሓዘት ሰበይቲዶ ኣይትሳቐዪን? ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ። ኢትዮጵያዊ ሕብሩ፥ ነብሪ ዝንጕርጕርነቱ፥ ክልውጥዶ ይኽእል እዩ? እምበኣር ንስኻትኩምውን ክፉእ ምግባር ዝለመድኩም፥ ፅቡቕ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ስለዙይ ከምቲ ንፋስ በረኻ ንሓሰር ዝብትኖ፥ ኣነውን ክብትነኩም እየ። ንኣይ ረሲዕኽኒ፥ ኣብ ሓሰትውን ተኣሚንኪ ኢኺሞ፥ እቲ ኣነ ዝህበኪ ኽፋል ግደኺ እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዙይ ሓፍረትኪ ምእንቲ ኽረአ፥ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ። ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ሜዳታትን፥ ፅዩፍ ተግባርክን ምንዝርናኽን ሰሓቕክን ሪአ ኣለኹ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ርኽሰትኪ እትነፅሂ መኣዝ እዩ? ብዛዕባ ድርቂ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብኽያት ኢየሩሳሌም ልዕል ልዕል በለ። ርእሶም ተጐልበቡ። ሓረስቶት ድማ ሓፊሮም ርእሶም ተጐልበቡ። ሳዕሪ ስለ ዝተስኣነ፥ መሓሲኣ ሓደገት። ሳዕሪ ስለ ዝሰኣና ድማ ኣዒንተን ፈዘዛ። ስለ ስምካ ኢልካ ግበር። ሓላፊ መንገዲ ጋሻ እትኸውን? ኦ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና። እግዚኣብሄር፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ካባይ ክርሕቑ ይፈትዉ፤ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዙይ ኣነ ኣይፈተኹሎምን። ንበደሎም ክዝክሮ፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከዓ ኽቐፅዖም እየ” ይብል ኣሎ። እግዚኣብሄር ድማ “ነዝ ህዝቢ እዙይ ሰናይ ኣይትለምነሉ። እንተ ፆሙ ፀሎቶም ኣይሰምዕን፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን እኳ እንተ ኣቕረቡለይ ኣይቅበለሎምን እየ። እኳ ደኣ ብውግእን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ” በለኒ። ሽዑ ኣነ “ኣየ! ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ እቶም ነቢያት እኮ እዮም ‘እግዚኣብሄር ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህብ እየ ስለ ዝበለ፥ ውግእ ኣይትሪኡን፤ ጥሜትውን ኣይመፀኩምን እዩ’ ዝብልዎም ዘለዉ” በልኩ። እግዚኣብሄር ግና “እቶም ነቢያትስ ብስመይ ሓሰት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን ወይ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብክዎምን፤ ንሳቶምስ ራእይ ሓሰትን ጥንቈላን ከንቱነትን ዝኾነ፥ ናይ ልቦም ጥበራ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ። ብዛዕባ እዞም ኣነ እግዚኣብሄር እንተይለኣኽክዎም ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ውግእን ጥሜትን ኣይህሉን እዩ’ ኢሎም ብስመይ ዝንበዩ ነቢያት፥ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ብውግእን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም። ነቶም ዝተነበዩሎም ህዝቢ ድማ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ እየ። ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜትን ብውግእን ከም ዝሃልቁ ኽገብር እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም ክወድቁ እዮም፤ ዝቐብሮም ድማ ኣይርከብን” በለኒ። ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ። ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።” እንሆ ኸዓ፥ ራዕዲ ኾነ። ተፈሊጡና ኣሎ። ዘክር እምበር ኣይተፍርሶ። ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና። ክኸይድ እዩ ኢልካ ንገሮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም። ንመከራ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።” ናባኺ ዘግልስከ መን እዩ? ድሕሪ ደጊም ምሕረት ኣይገብረልክን። ካብ መንገዶም ከዓ ኣይተመለሱን። ብድንገት ጓህን ራዕድን ኣውረድኩላ። ይብል እግዚኣብሄር።” ኣቲ ወላዲተይ፥ ንዅሉ ምድሪ ናይ ጐይቊን ክርክርን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺሞ ወይለይ! ንዝኾነ ኣየለቃሕኹን፥ ካብ ዝኾነውን ኣይተለቃሕኹን፤ ግና ዅሉ ሰብ ይረግመኒ ኣሎ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብሓቂ ንፅቡቕ ክሕልወካ እየ፤ ብጊዜ ጭንቅን መከራንውን ፀላእትኻ ኸም ዝልምኑኻ ኽገብር እየ። ብሓቂ ንሓፂን፥ ነቲ ኻብ ሰሜን ዝመፀ ሓፂንን፥ ንነሃስውን ዝሰብር ኣሎዶ? ብሰንኪ እቲ ብዅሉ ወሰናትካ መሊኡ ዘሎ ሓጢኣትካ ሃብትኻን መዛግብትኻን ብኸምኡ ንዘመተ ኽህቦ እየ። ካብ ቍጥዓይ ዝተልዓለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ኽትነድድ እያ፤ ምስ ፀላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ። ሽዑ ኣነ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ትፈልጥ፤ ዘክረንን ኣድሕነንን፤ ነቶም ዘሳጕጉኒውን ተበቀሎም፤ ኣይትተዓገሶም። ቃልካ ምስ ረኸብኩ በላዕኽዎ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፥ ቃልካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኮነኒ። ኣብ ባይቶ መላገፅቲ ኣይተቐመጥኩን፤ ባህውን ኣይበለንን። ብቝጥዓ መሊእኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ቅድሚ ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ። ስለ ምንታይ ሕማመይ ፀንዐኒ? ስለ ምንታይከ ቝስለይ ዘይሓዊ ኾነ? ኸም መታለሊ ዓይኒ ማይ፥ ከምቲ ነፃፊ ማይዶ ኽትኮነኒ ኢኻ?” በልኩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንተ ተመሊስካ፥ ክመልሰካ እየ፤ ኣብ ቅድመይውን ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ይምለሱ እምበር፥ ንስኻ ናብኣቶም ኣይትምለስን። ነዝ ህዝቢ እዙይ ፅኑዕ ቅፅሪ ነሃስ ክገብረካ እየ። ንሳቶም ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም። ካብ ኢድ ክፉኣት ከናግፈካ፥ ካብ ኢድ ሓያላት ከዓ ኽቢዘወካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ሰበይቲ ኣይተእቱ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ኣይትውለድ። ብዛዕባ እቶም ኣብዝ ስፍራ እዙይ ዝውለዱ ኣወዳትን ኣጓላትን፥ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም እኖታትን፥ ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝወለድዎም ኣቦታትን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ። “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ሰላመይን ፍቕረይን ምሕረተይን ካብዝ ህዝቢ እዙይ ኣርሒቐ ኣለኹ እሞ፥ ብኽያት ናብ ዘለዋ ቤት ኣይትእቶ፤ ክትበክን ክትሓዝንን ድማ ኣይትኺድ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዓቢይን ንእሽተይን ክሞቱ እዮም፤ ግና ኣይቕበሩን እዮም፤ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ሰብነቱ ዝፅሕብርን ፀጕሩ ዝላፅየሎምን ኣይረኽቡን እዮም። ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ከፀናንዕዎም ኢሎም እንጀራ ሓዘን ኣይቘርሱሎምን እዮም። ኣቦታቶምን እኖታቶምን ንዝሞትዎም ከፀናንዑ ኢሎም መፀናንዒ ዝኸውን ብዋንጫ ዘስትዮም ኣይህሉን እዩ። “ምስኣቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ናብ ድግስ ዝገብሩላ ቦታ ኣይትእቶ። ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ካብዝ ስፍራ እዙይ ከወግድ እየ። “እዝ ዅሉ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ እትናገረሉ እዋን፥ ንሳቶም ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ዓብዪ ነገር ዝናገረና ዘሎ? እንታይ እዩ በደልና? እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ?’ እንተ በሉኻ ንስኻውን ከምዙይ ክትብሎም ኢኻ፦ ኣቦታትኩም ስለ ዝሓደጉኒ እዩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰዓቡን ዘገልገሉን ዝሰገዱን፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉኒ፥ ሕገይ ድማ ስለ ዘይሓለዉ፥ ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ፥ ካብዝ ሃገር እዙይ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይምሕረኩምን እየ። ኣብኡውን ለይትን ቀትርን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉ ኢኹም።” ስለዙይ “እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ። ግና ‘እቲ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገርን ዝመለሰ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዝበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም። ዓይነይ ኣብ ኵሉ መንገዶም እዩ፤ ካብ ቅድመይ ክሕብኡ ኣይኽእሉን እዮም። ሓጢኣቶም ከዓ ኻብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ። ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።” ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ። ሰብዶ ኣማልኽቲ ንዘይኮኑ፥ ኣማልኽቲ ንባዕሉ ይገብር እዩ?” ስለዙይ እንሆ፥ ከፍልጦም እየ፤ በዝ ጊዜ እዙይ ሓይለይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፤ ንሳቶም ድማ ስመይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ኽፈልጡ እዮም። “ሓጢኣት ይሁዳ፥ ብብርዒ ሓፂንን ብዝበልሐ ጫፍ ኣልማዝን ተፅሒፉ እዩ፤ ኣብ ፅላት ልቦምን ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢታቶምን ተቐሪፁ እዩ። ደቆምውን ነቶም ንዝኽሪ ጣዖት ኣስታሮት ተብሂሉ ዝተሰርሐ መሰውኢታትን ምስልታትን፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኸ ኾረብታታትን ዘለዉ ይዝክሩ ኣለዉ። እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ እምባይ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሉ ወሰናትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት፥ ንሃብትኽን ንዅሉ መዛግብትኽን ንዘመተ ኽህቦ እየ። ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።” ዝተረገመ እዩ። ኣብ ናይ ጨው ምድሪ ይነብር።” ቡሩኽ እዩ። ካብ ምፍራይውን ዘይተቋርፅ ኦም እዩ።” መንከ ኽፈልጦ ይኽእል? ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።” ኣብ መወዳእታኡውን ዓሻ ይኸውን። ናይ ክብሪ ዙፋን እዩ። ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም። ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ምስጋናይ ኢኻሞ ፈውሰኒ፥ ክፍወስ እየ፤ ኣድሕነኒ ኣነውን ክድሕን እየ። ንሳቶም “ቃል እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? እስኪ ሕዚ ይምፃእ” ይብሉኒ ኣለዉ። ጓሳ ኾይነ ንኣኻ ኻብ ምግልጋል ንድሕሪት ኣይበልኩን፤ ክፉእ መዓልቲ ኸም ዘይተመነኹውን ትፈልጥ ኢኻ፤ ካብ ከንፈረይ ዝወፅእውን ኣብ ቅድሜኻ እዩ። መደንገፅየይ ኣይትኹን፤ ብመዓልቲ መከራ መዕቘብየይ ንስኻ ኢኻ። እቶም ዘሳጕጉኒ ይሕፈሩ፤ ኣነ ግና ኣይሕፈር፤ ንሳቶም ይደንግፁ፤ ኣነ ግና ኣይደንግፅ። ክፉእ መዓልቲ ኣምፅአሎም፤ ዕፅፊ ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም። እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ኣብታ ነገስታት ይሁዳ ዝኣትዉላን ዝወፁላን፥ በሪ ደቂ ህዝቢ እትብሃል በርን፥ ኣብ ኵለን በርታት ኢየሩሳሌምን ቁም፤ ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ነገስታት ይሁዳን ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ኣይትፁሩ፤ ፆር ፆይርኩምውን ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ፤ ካብ ኣባይትኹም ዝኾነ ፆር ኣይተውፅኡ፤ ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም መዓልቲ ሰንበት ኣኽብሩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ኣይትስርሑ። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ኣየስተውዓሉንውን፤ ከይሰምዑሞ ኸይግሰፁ ኽሳዶም ኣትረሩ። “ግና ብጥንቃቐ እንተ እትሰምዑኒ ይብል እግዚኣብሄር፥ ብመዓልቲ ሰንበት ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ፆር ፀይርኹም እንተ ዘይኣቲኹም፥ ንመዓልቲ ሰንበት እንተ ቐደስኩምዋ፥ ብኣኣ ስራሕ እንተ ዘይሰሪሕኹም፥ ሽዑ እቶም ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ኣሕሉቕን፥ ብሰረገላታትን ኣፍራስን ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። ንሳቶምን መሳፍንቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩንውን ክኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣውን ንዘለኣለም መንበሪ ሰብ ክትከውን እያ። ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጕዓን ከምኡውን ካብ ደቡብንን ዝቃፀል መስዋእትን ካልእ መስዋእትን ናይ ቍርባን እኽልን ዕጣንን ናይ ምስጋና መስዋእትን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክመፁ እዮም። ግና ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ኽትቕድሱ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ፀይርኹም ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ፥ ዝነገርኩኹም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ኣብ በርታት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ኸቃፅሎ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።” ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል፦ “ተሲእኻ ናብ ቤት ሰራሒ መሬት ውረድ፤ ኣብኡ ቓለይ ከስምዐካ እየ” በለኒ። ኣነውን ናብ ቤት እቲ ስራሒ መሬት ወረድኩ፤ ንሱውን ነቲ ሻኽላ ብመንኰራዅር ይሰርሕ ነበረ። እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ፥ ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ተበላሸወ፤ እቲ ሰራሒ መሬት ድማ፥ ከምቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርአዮ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ። ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ኣነኸ ንኣኻትኩም ከምቲ ሰራሒ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩምዶ ኣይከኣለንን እዩ? ኸምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ዘሎ፥ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም ዘለኹም። ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክነቕሎን ከፍርሶን ከጥፍኦን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ እሞ፥ እታ ሃገር እቲኣ ኻብ ክፍኣታ እንተ ተመለሰት፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብሮ እየ’ ኢለ ዝሓሰብክዎ መቕፃዕቲ ኣይገብሮን እየ። ከምኡ ኸዓ ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክሃንፆን ክተኽሎን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ፥ እሞ እቲ ህዝቢ እቱይ ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ ኣብ ቅድመይ ክፉእ እንተ ገበረ፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብረሉ እየ’ ኢለ ዝተዛረብክዎ ሰናይ ነገር ኣይገብሮን እየ። እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ። ንሳቶም ግና ‘ጨኪንና ኢና፤ ሓሳብና ተኸቲልና ኽንከይድ ኢና፤ ነፍሲ ወከፍና ድማ ኸምቲ ትረት ሕሱም ልብና ኽንነብር ኢና’ በሉ።” የመና ኽፉእ ነገር ገይራ እያ። ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነፅፍ ድዩ? በቲ ዘይተፀርገ ቐይናን መንገዲ ይኸይድ ኣሎ። ብምግራምውን ርእሱ ይንቕንቕ። ዝባነይ እምበር ገፀይ ኣየርእዮምን።” ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ። “ኦ ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነቲ ፀላእተይ ዝብልዎ ኸዓ ስማዕ። ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፥ ክንዲ ሰናይዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ? ኣነ ቝጥዓኻ ኻብኣቶም ክተርሕቕ ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ቖይመ ኸም ዝለመንኩ ዘክር። ስለዙይ ሕዚ ደቆም ንጥሜት ሃብ፤ ንኣኣቶም ከዓ ስሕለት ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃብ። ኣንስቶም ናይ ወላድ መኻንን መበለታትን ይኹና፤ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ፤ ኣጕባዞም ከዓ ኣብ ጊዜ ውግእ ብሰይፊ ይውደቑ። ክሕዙኒ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፥ ነእጋረይ ከዓ መፈንጠር ኣፃዊዶምለይ እዮም እሞ፥ ብድንገት ዝዘምትዎም ጭፍራ ምስ ኣምፃእኻሎም፥ ኣብ ገዛኦም ኣውያት ይሰማዕ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ክቐትሉኒ ኢሎም ዝሓሰብዎ ዅሉ ምኽሪ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም፤ ሓጢኣቶም እውን ካብ ቅድሚ ገፅካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ፃሕ ኢሎም ይውደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻውን ከምኡ ግበሮም።” እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ። በቲ ‘በሪ ሰራሕቲ መሬት’ ዝበሃል ሓሊፍካ ናብቲ ለሰ ሂኖም ውፃእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ተናገር። ከምዙይውን በል፦ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ንዝሰምዖ ዅሉ ኣእዛኑ ዘደምም መዓት ከውርድ እየ። ንኣይ ሓዲጎም እዝ ስፍራ እዙይ ባዕዲ ገበርዎ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ባዕዳን ኣማልኽቲ ዕጣን ዓጠኑሎም፤ ነዝ ስፍራ እዙይውን ብደም ንፁሃት መልእዎ። ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ብልበይ ዘይሓሰብክዎን፥ ንበዓል ዝቃፀል መስዋእቲ ክኾኑ ኢሎም፥ ነወዳት ደቆም ብሓዊ ምእንቲ ኸንድድዎም፥ ኣብ በረኽቲ፥ ንበዓል መሰውኢታት ሰርሑ። ስለዙይ ከዓ፥ እዝ ስፍራ እዙይ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንምኽሪ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም፥ ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ንሬሳኣቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ምግቢ ክኾኖም ክህቦ እየ። ነዛ ኸተማ እዚኣ ንመገረምን መሰክሕን ክገብራ እየ። ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ከዓ ስቓያ ሪኡ ኸስካሕኽሕን ከላግፅን እዩ። ስጋ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ከብልዖም እየ፤ ብፀላእቶምን በቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ተኸቢቦም ምስ ተጨነቑ፥ ስጋ ብፆቶም ክበልዑ እዮም።” ሽዑ “ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝኸዱ ሰባት ስበራ እሞ፥ ከምዙይ በሎም፦ ‘ከምቲ ኣቕሓ ሰራሒ መሬት ምስ ተሰብረ ዘይዕረ’ ኸምኡ ነዝ ህዝቢ እዙይን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። መቕበሪ ቦታ ስለ ዝስኣን ድማ ሬሳኣቶም ኣብ ቶፌት ክቕበር እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። “ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዝ ስፍራ እዙይን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ነዛ ኸተማ እዚኣውን ከም ቶፌት ክገብራ እየ። ኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዕጣን ዝዓጠኑለንን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ፥ ከም ቶፌት ክረኽሳ እየን በሎም” በለኒ። ኤርሚያስውን ካብቲ እግዚኣብሄር ትንቢት ክናገር ልኢኹዎ ኻብ ዝነበረ ቦታ ኻብ ቶፌት ተመለሰ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ደው በለ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ በሎም፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።” ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ከም ዝተነበየ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓለቓ ኾይኑ ዝተሸመ ጳስኮር፥ ወዲ ኻህን ኢሜር፥ ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ክንበ እንተሎ ሰምዐ፤ ጳስኮር ንነቢይ ኤርሚያስ ወቕዖ፤ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ ዝነበረት ላዕለወይቲ ደገ ብንያምውን ኣብ ጕንዲ ኣእሰሮ። ንፅባሒቱ ጳስኮር ንኤርሚያስ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኦ፥ “ኤርሚያስውን እግዚኣብሄር ስምካ ማጎር ሚሳቢብ እምበር ጳስኮር ኢለ ኣይፅውዐካን” በሎ። እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ንርእስኻን ንዅሎም ፈተውትኻን መደንገፂ ኽገብረካ እየ፤ ኵሎም ብሰይፊ ፀላእቶም ክወድቁ እዮም፤ በዒንትኻውን ክትሪኦም ኢኻ። ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ድማ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ክወስዶም እዩ፤ ብሰይፊ እውን ክቐትሎም እዩ። ኵሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ፃማኣን ኵሉ ኽቡር ኣቑሑታን ኵሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ፀላእቶም ከም ዝወድቕ ክገብሮ እየ። ንሳቶም ከዓ ኽዘምትዎ፥ ማሪኾም ድማ ናብ ባቢሎን ክወስድዎ እዮም። ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።” ኵሎምውን የባጭዉለይ ኣለዉ። ንፀርፍን ንነቐፌታን ኮነኒ። ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን። ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ። ውርደቶም ድማ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩ። ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ። ንእግዚኣብሄር ወድስዎ። እታ እኖይ ንኣይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ። ዘሐጐሶ ሰብ ርጉም ይኹን። ንግሆ ብኽያት፥ ቀትሪ ድማ ኣውያት ይስማዕ። ስለ ምንታይ ኣብ ማህፀን ወላዲተይ እንተለኹ ዘይቀተለኒ? ስለ ምንታይ ካብ ማህፀን ወፃእኹ? ኤርሚያስ ድማ “ንሴዴቅያስ ከምዙይ ኢልኩም ንገርዎ” በሎም። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ። ኣነ ባዕለይ ብዝተዘርግሐት ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብቝጥዓን ብዓብዪ መቅሰፍትን ክዋግአኩም እየ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንዝነብሩ ሰብን እንስሳን ክወቅዕ እየ፤ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ድማ ኽሞቱ እዮም። ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ሽዑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኽትብሎም ኢኻ፦ “እንሆ፥ ኣብ ቅድሜኹም መንገዲ ህይወትን መንገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝፀንሕ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ። ግና እቲ ወፂኡ ነቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ፥ ብህይወት ይነብር፤ ንፍሱውን ከም ምርኮ ኽትኮነሉ እያ። ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ገፀይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣለኹ እሞ፥ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቲ ኣብ ለሰ፥ ኣብ ኰዅሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘለኺ፥ እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ከዓ ‘መንዩ ሓደጋ ዘውድቐልና? መን እዩኸ ናብ ሰፈርና ዝኣቱ?’ እትብሉ ዘለኹም፥ ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ክቐፅዐኩም እየ፤ ኣብቲ ዱር ሓዊ ኽእጕደሉ እየ እሞ፥ ንዅሉ ኸባቢኣ ሓዊ ኽበልዖ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ፥ ኣብኡ እዝ ቓል እዙይ ተናገር፤ ከምዙይውን በል፦ ኣታ ኣብ ዙፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፥ ንስኻን ባሮትካን ህዝብኻን፥ ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ኻብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን፥ ኣይትበድሉን ኣይትዓምፁን፤ ኣብዝ ስፍራ እዙይውን ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ። ነዝ ቃል እዙይ ብሓቂ እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታት ምስ ባሮቶምን ህዝቦምን፥ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም፥ ብበርታት እዛ ቤት እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። ነዝ ቓል እዙይ እንተ ዘይተኣዘዝኩም ግና እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዓኑ፥ ብርእሰይ መሓልኩ” ይብል እግዚኣብሄር። ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻ ንኣይ ከም ገለዓድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፤ ግና ኣነ ብርግፅ ምድረ በዳ፥ ሰብ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ። ነፍሲ ወከፍ ምስ ኣፅዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ድማ ነቶም ምሩፃት ዝግባታት ክቘርፅዎን፥ ኣብ ሓዊ ኸእትውዎን እዮም። “ህዝቢ ብዙሓት ሃገራት በዛ ኸተማ እዚኣ እንትሓልፉ፥ ንስንሳቶም ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ ኸምዙይ ዝገበራ ኽበሃሃሉ እዮም። ሽዑ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን፥ ስለ ዘምለኹን እዩ፥ ኢሎም ክምልሱሎም እዮም።” ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን። እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ዝነገሰ፥ ካብዛ ሃገር እዚኣ ዝወፀ ወዲ ኢዮስያስ፥ ሰሎም ንጉስ ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብቲ ተማሪኹ ዝኸደሉ ሃገር ክመውት እዩ እምበር፥ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸቶ ኣይሪኣን እዩ።” ደመወዝውን ዘይኸፍሎም፥ ወይለኡ። ቀይሕ ቀለምውን ይቐብኦ። ኵሉ ኸዓ ሰናይ ኮይኑሉ ነበረ። ይብል እግዚኣብሄር። ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ። “ዋይ ጐይታይ! ዋይ እዝ ኽቡር!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን። ክድርብይዎ እዮም።” ኣብ ዓባሪም ኴንኪውን ኣእውዪ። ቃለይውን ኣይሰማዕኽን። ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ። ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን! ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ። ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም። ፈፂምኩም ኣይትምለሱን።” ንምንታይ ተወርወሩ?” በልኩ። ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ! ኢልኩም ፀሓፉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ነተን መጓሰይ ዝኾና፥ “ኣባጊዕ ንዝብትኑን ንዘጥፍኡን ጓሶት ወይለኦም!” ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብዛዕባ እቶም ንህዝቡ ዝሕልዉ ጓሶት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ንመጓሰይ በተንኩምወን ኣባረርኩምወን፤ ጥንቃቐውን ኣይገበርኩምለንን። እንሆ፥ ንኽፍኣትኩም ግቡእ ቅፅዓት ከምፅአልኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ነተን ተረፍ ኣባጊዐይ፥ ካብ ኵሉ ዝሰጐጕክወን ሃገር ክእክበን እየ። ናብ መውፈሪአን ከዓ ኽመልሰን እየ። ኣብኡ ኸዓ ኽፈርያን ክበዝሓን እየን። ዝጓስይወን ጓሶት ከተስአለን እየ፤ ድሕሪዙይ ኣይፈርሓን ኣይድንግፃን፥ ካብኣተን ሓንቲኳ ኣይትጐድልን እያ” ይብል እግዚኣብሄር። “እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘመኑ ይሁዳ ኽድሕን፥ እስራኤል ድማ ብሰላም ክነብር እዩ፤ ዝፅወዐሉ ስምውን ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል እዩ። “ስለዙይ እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ግና ‘እቲ ንህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን፥ ካብ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገራትን፥ ዘውፅኦምን ዝመርሖምን፥ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢሎም ዝምሕሉሉ ዘመን ክመፅእ እዩ። ሽዑ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ እዮም።” ከምቲ ወይኒ ዘሸነፎ ሰካራም ሰብን ኮንኩ። ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን። ይብል እግዚኣብሄር። ክፉእ ከምፅአሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንህዝበይ እስራኤልውን ኣስሓቱ። እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከም ገሞራ ኾኑኒ። “ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዞም ነቢያት እዚኣቶም ዝንበዩልኩም ኣይትስምዑ፤ ከንቱነት ይምህሩኹም፤ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወፀ ዘይኮነስ፥ ካብ ልቦም ዝኾነ ራእይ እዮም ዝናገሩ። ንሳቶም ነቶም ንኣይ ዝንዕቑ፥ እግዚኣብሄር ‘ሰላም ክኾነልኩም እዩ’ ኢሉ፥ ይብልዎም፤ ነቶም ብትረት ልቦም ዝመላለሱ ዅላቶም ድማ ‘ክፉእ ነገር ኣይነኽአኩምን እዩ’ ይብልዎም።” ቃሉ ኽርኢን ክሰምዕን፥ ብምኽሪ እግዚኣብሄር ዝቖመ መን እዩ? ፅን ኢሉ ቓሉ ዝሰምዐኸ መን እዩ? ናይ እግዚኣብሄር ኣውሎ ንፋስ ብቝጥዓ ይለዓል፤ ብርቱዕ ማዕበልውን ንርእሲ ኽፉኣት ክወቅዕ እዩ። ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ልቡ እንተይገበረን እንተይፈፀመን ኣይምለስን እዩ። ኣብ ዳሕረዎት መዓልቲታት ብዝበለፀ ኽተስተውዕልዎ ኢኹም። “ነዞም ነቢያት እዚኣቶም ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ግና ናይ ባዕሎም መልእኽቲ ሒዞም ጐየዩ። እንተይነገርኩዎምውን ትንቢት ተናገሩ። ብምኽረይ ፀኒዖም ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ቃለይ ንህዝበይ መስምዕዎም፤ ካብ ክፉእ መንገዶምን ካብ ክፉእ ስራሖምውን ምመለስዎም ነይሮም። “ኣነ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራሕ ዲየ? ናይ ርሑቕ ኣምላኽዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር። ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ። እዝ ነገር እዙይ ብናይ ባዕልቶም ጥበራ ኣብ ዝንበዩ ሓሰውቲ ነቢያት ልቢ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝፀንሕ? ከምቲ ኣቦታቶም ንጣዖት ብምምላኽ ስመይ ዝረስዑ፥ ንሳቶም ብዝነግርዎ ሕልሚ፥ ህዝበይ ስመይ ክርስዕ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሎም ኣሎ። እቲ ሕልሚ ዝሓልም ነቢይ፥ ሕልሙ ይዛረብ፤ እቲ ቓለይ ዝተቐበለ ነብይ፥ ብሓቂ ቓለይ ይናገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ሓደ ይገበሮም? ይብል እግዚኣብሄር። ቃለይ ከም ሓዊን፥ ከምቲ ንኸውሒ ዘድቅቕ መዶሻንዶ ኣይኮነን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዙይ እንሆ ነቶም ካብ ነንሕድሕዶም ቃለይ ንዝሰረቑ ነቢያት እሕነየሎም ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከምኡውን ነቶም መልሓሶም ኣልዒሎም ‘ከምዙይ ይብል’ ኢሎም ዝዛረቡ ነቢያት ክፃረሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕልሚ ሓሰት ዝሓልሙን ዝናገሩን፥ ብሓሰቶምን ብድፍረቶምን ንህዝበይ ኣብ ልዕሊ ዘስሕቱ ነቢያት እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ዝጠቕምዎ የብሎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።” “እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ ‘ፆሩ ንስኻትኩም ኢኹም፤ ግና ኽድርብየኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኢልካ መልሰሎም። ሓደ ኻብ ህዝበይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ክብል እንተ ተረኽበ ነቲ ሰብ እቱይን ንቤቱን ክቐፅዖም እየ። ‘ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ንዓርኩን እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ መለሰ? እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ ተዛረበ?’ ደኣ ይበል። ንቓል ህያው ኣምላኽ፥ ናይቲ ኣምላኽና ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስለ ዝለወጥኩም፥ ድሕሪዙይ ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ኣይትበሉ፤ ነፍሲ ወከፍ ቃሉ፥ ፆር ክኾኖ እዩ። ነቲ ነቢይ፥ እግዚኣብሄር እንታይ መለሰልካ? እግዚኣብሄር እንታይ እዩ ዝተዛረበ? ደኣ ይበል። ‘ሸኽሚ እግዚኣብሄር’ እንተ በልኩም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ሸኽሚ እግዚኣብሄር ኣይትበሉ ኢለ ልኢኸልኩም፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ሸኽሚ እግዚኣብሄር ኢልኩም ኢኹምሞ፤ ስለዙይ ንኣኻትኩም ፈፂመ ኽርስዐኩም እየ፤ ከምኡውን ንኣኻትኩምን ነታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ኸተማን፥ ኣብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ። ንዘለኣለም ዘይርሳዕ ሕፍረትን ዘለኣለማዊ ውርደትንውን ከምፅአልኩም እየ።” እታ ሓንቲ መሶብ፥ ፈለማ ዝበሰለ የመና ፅቡቕ በለስ ነበራ፤ እታ ኻልአይቲ መሶብ ድማ ኻብ ምብልሻው ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል የመና ሕማቕ በለስ ነበራ። ኣነ ድማ “በለስ እርኢ ኣለኹ፤ እቲ ፅቡቕ በለስ የመና ፅቡቕ እዩ፤ እቲ ኬርና ዝተበላሸወ ሕማቕ ግና፥ እምብዛ ሕማቕ ብምዃኑ ኽብላዕ ዘይከኣል እዩ በልኩ።” መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ንዝሰደድክዎ ምርኮ ይሁዳ፥ ከምቲ ፅቡቕ በለስ ብፅቡቕ ክምልከቶም እየ። ዓይነይውን ንፅቡቕ ኣብ ልዕሊኣቶም ክገብር እየ፤ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሃንፆም እምበር ኣየፍርሶምን፥ ክተኽሎም እምበር ኣይነቕሎምን እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፥ ዝፈልጥ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ሽዑ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። “ኣነ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ተረፍ ኢየሩሳሌምን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩን ግና፥ ከምቲ ሕማቕ ክብላዕ ዘይከኣል በለስ ገይረ ኸርእዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ካብታ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፥ ውግእን ጥሜትን መቅሰፍትን ክሰደሎም እየ።” ነቢይ ኤርሚያስ ከዓ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ከምዙይ ኢሉ ተናገረ፦ “ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን። እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣንጊሁ ለኣኾም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምዎን፤ ክትሰምዕዎ ኢልኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን። ንሱውን፦ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃባ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹምን፥ ካብ ክፉእ ግብርኹምን ክትምለሱ ነገሩኹም። ክተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ብስራሕ ኣእዳውኩም ድማ ኣይተቘጥዑኒ፤ ኣነውን ክፉእ ኣይገብረኩምን። ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር። “ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ። ካብኣቶም ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን፥ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ድምፂ መጥሓንን ብርሃን መብራህትን ከጥፍእ እየ። ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፤ እዞም ህዝብታት እዚኣቶምውን ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ክግዝእዎ እዮም። እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ። ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ዝተናገርክዎ ቓላትን፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈን፥ ነቲ ኤርሚያስ ንዅሉ ህዝቢ ዝተናገሮ ትንቢትን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ከምፅኦ እየ። ህዝባውን ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንኣኣቶም ክገዝእዎም እዮም፤ ኣነውን ከም ግብሮምን ከም ስራሕ ኢዶምን ክኸፍሎም እየ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፦ “እንካ፥ እዛ ወይኒ ቝጥዓይ ዝመልአት ፅዋዕ፥ ካብ ኢደይ ውሰድ፤ ንኵሎም ነቶም ኣነ ንኣኻ ዝልእኸካ ህዝብታት ኬድካ ኣስትዮም። ካብኡ ምስ ሰተዩ፥ ሰንከልከል ክብሉን፥ ካብቲ ዝሰዶ ሰይፊ ዝተልዓለ ኽዓብዱን እዮም።” ኣነ ድማ ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ተቐቢለ፥ ናብቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ዝለኣኸኒ ህዝብታት ከድኩ፤ ከም ዝሰትይዎውን ገበርኩ። ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን መላገፅን መራገምን ምእንቲ ክኾኑ፥ ንኢየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን ንኣሕሉቓን፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን ንሹማምንቱን ንመሳፍንቱን ንዅሉ ህዝቡን፥ ንዅሎም ሕውስዋስ ህዝብን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ዖፅን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ኣስቀሎናን ጋዛን ኣቃሮንን፥ ነቶም ኣብ ኣዛጦን ዝተረፉ ህዝብን፥ ንዅሎም ህዝቢ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣሞንን፥ ንዅሎም ነገስታት ጢሮስን ነገስታት ሲዶናን፥ ነቶም ኣብ ዙርያ ገማግም ማእኸላይ ባሕሪ ዝነብሩ ነገስታትን፥ ንኸተማታት ዴዳን ቴማን ቡዝን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ ዅሎምን፥ ንዅሎም ነገስታት ዓረብን፥ ንዅሎም ነገስታት እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ሕውስዋስ ህዝብታትን፥ ንዅሎም ነገስታት ዘምሪን፥ ንዅሎም ነገስታት ዔላምን ነገስታት ሜዶንን፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ ነገስታት ሰሜንን፥ ንዅሎም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለምን ካብቲ ፅዋዕ ኣስተኽዎም። ድሕሪ እዚኣቶም ከዓ ንጉስ ሼሻክ ካብኡ ኽሰቲ እዩ። ንስኻውን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስተዩ፤ ስኸሩ፤ ትፍኡ፤ መሊስኩም ኣይትተስኡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ዝሰዶ ሰይፊ ውደቑ። ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድካ ምቕባል እንተ ኣበዩ፥ ምስታይውን እንተ ኣበዩ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ‘ብግዲ ኽትሰትዩ ኢኹም’ ይብል ኣሎ በሎም። እንሆ፥ በታ ብስመይ እተፀውዐት ከተማ ምቕፃዕ እጅምር ኣለኹ፤ እሞኸ ብዘይ ቅፅዓትዶ ተምልጡ ኢኹም? ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰይፊ ኽሰደሎም እየ እሞ፥ እንተይተቐፃዕኹም ኣይትተርፉን ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ነቶም ኵላቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ዓው ኢሉ ድምፁ ኸስምዖም እዩ። ይብል እግዚኣብሄር።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኽሓልፍ፥ ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽለዓል እዩ።” በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም እግዚኣብሄር ዝቐተሎም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዛሕ ክብሉ እዮም። ዝበኽየሎም ኣይህሉን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ዛሕ ክብሉ እዮም ኣይእከቡን፤ ኣይቕበሩንውን። እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ። እቶም ጓሶት ምህዳም ኣይኽእሉን፤ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣየምልጡን እዮም። እግዚኣብሄር ነቲ ዝጓሰየሉ ምድሪ የጥፍኦ ኣሎሞ፥ ዋይ ዋይታ ጓሶትን፥ ኣውያት መራሕቲ መጓሰን ይስማዕ ኣሎ። ካብ ናህሪ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ እታ መሕደሪ ሰላም ባደመት። ካብ ጭካነ ሰይፍን ካብ ናህሪ ቝጥዓኡን ዝተልዓለ፥ ሃገሮም ባዲማ እያሞ፤ ከም ኣንበሳ ነታ መሕደሪኡ ሓደጋ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም። ምናልባሽ ሰሚዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። እንተ ደኣ ተመሊሶም፥ ኣነውን እቲ ብሰንኪ ኽፉእ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝሃቀንክዎ መዓት ከህድእ እየ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥ ንቓላት እቶም እንተየቋረፅኩ መላሊሰ ናባኻትኩም ዝለኣኽኩልኩም፥ ኣገልገልተይ ነቢያት እንተ ዘይሰማዕኹም፥ ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሴሎ ኽገብራ እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዅላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።” ካህናትን ነቢያትን ኵሉ ህዝብን ከዓ፥ ኤርሚያስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነዝ ቃል እዙይ እንትዛረብ ሰምዑ። ኤርሚያስ፥ እቲ ዅሉ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ህዝቢ ኽነግሮም ኢሉ ዝኣዘዞ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ እቶም ካህናትን ነቢያትን ኵሉ እቲ ህዝብን ሓዝዎ እሞ፥ “ክትመውት ኢኻ!” ስለ ምንታይ ኢኻ፤ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኸም ሴሎ ኽትከውን እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዝነብረላ ዘይብላ ዑና ኽትከውን እያ” ኢልካ ብስም እግዚኣብሄር ዝተነበኻ? እናበሉ ንኤርሚያስ ከበብዎ። ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ ቤት ንጉስ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፤ ኣብታ ሓዳስ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተቐመጡ። እቶም ካህናትን ነቢያትን ድማ ነቶም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ከምቲ በእዛንኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ተነብዩላ እዩ እሞ፥ ሞት ይግብኦ እዩ” ኢሎም ተዛረብዎም። ኤርሚያስ ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እቲ ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣን ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣን ዝሰማዕኹምዎ ዅሉ ቓል፥ ክንበዮ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እዩ። እምበኣር ኣካይዳኹምን ግብርኹምን ኣዐርዩ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኣባኻትኩም ከውርዶ ሃቂኑዎ ዝነበረ መዓት ክሓድጎ እዩ። ኣነ ግና እኒሀኹ ኣብ ኣእዳውኩም እየ፤ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየኩም ግበሩ። እንተ ቐተልኩሙኒ ግና፥ ፍዳ ንፁህ ደም ኣብ ርእስኹምን፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣብቶም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ከም እተውርዱ ኣረጋጊፅኩም ፍለጡ። ንዅለን እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ክነግረኩም ዝለኣኸኒ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ” ኢለ ተዛረብክዎም። ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝተዛረበና እሞ፥ ሞት ኣይግብኦን እዩ” በልዎም። ካብቶም ሽማግለታት እታ ሃገር ከዓ ተሲኦም፥ ንዅሉ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎ፦ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ። “ግና ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም? ሕዝቅያስ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑዶ ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ? እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኸውርዶ ሃቂንዎ ዝነበረ መዓት ሓደጎ፤ ንሕናውን ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና።” ከምኡውን ትንቢት ዝተነበየ ኦርዮ ወዲ ሸማያ፥ በዓል ቅርያትየዓሪም ነበረ። ንሱ ኸዓ ኸም ኵለን ቃል ኤርሚያስ ገይሩ፥ ኣብ ከተማን ኣብዛ ምድሪ እዚኣን ትንቢት ተናገረ። ንጉስ ኢዮኣቄምን ኵሎም ጀጋኑኡን ኵሎም ኣሕሉቕን ቃላት ኦርዮ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ንጉስ ክቐትሎ ደለየ። ኦርዮ እዙይ ምስ ሰምዐ ፈርሐ፤ ሃዲሙ ኸዓ ናብ ግብፂ ኸደ። ሽዑ ንጉስ ኢዮኣቄም ንኦርዮ ኸምፅእዎ ምስ ብዙሓት ሰባት ገይሩ ንኤልናታን ወዲ ኣክቦር፥ ናብ ግብፂ ለኣኾ። ንሳቶም ድማ ንኦርዮ ኻብ ግብፂ ኣምፅእዎ፤ ናብ ንጉስ ኢዮኣቄም ከዓ ኣቕረብዎ። ንሱ ድማ ብሰይፊ ቐተሎ፤ ሬሳኡውን ኣብቲ ዝኾነ ሰብ ዝቕበረሉ ደርበዮ። ግና ንህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎን ከይቐትልዎን ኢድ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ምስኡ ነበረት። “ኣርዑትን መእሰርን ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ። በቶም ንንጉስ ሴዴቅያስ ክበፅሑ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ልኡኻቶም ጌርካ ኸዓ፥ ናብ ንጉስ ኤዶምያስን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶናን መልእኽቲ ለኣኽ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ ኢሎም ንጐይተቶም ክነግርዎም ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፤ ንጐይተትኩም ከምዙይ በልዎም፦ ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባትን እንስሳን ብዓብዪ ሓይለይን ብዝተዘርግሐት ቅልፅመይን ዝፈጠርኩ፥ ኣነ እየ። ቅኑዕ ኮይኑ ንዝተርኣየኒ ድማ እህባ። ንዅለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ሂበየን ኣለኹ፤ እንስሳ በረኻ እውን ከም ዝግዝእዎ ሂበዮ ኣለኹ። ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም። “እቲ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ክሳዱውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባቢሎን ዘይገብር ህዝብን መንግስትን፥ ብኢዱ ኽሳዕ ዘጥፍኦ ብሰይፍን ብመቕሰፍትን ክቐፅዖ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ነቶም ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝእዎን ኢኹም፤ ዝብሉኹም ነቢያትኩምን ጠንቈልትኹምን፥ ሕልሚ ዝሓልሙልኩምን፥ መናፍስቲ ዝጥይቑልኩምን፥ ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም። ንሳቶም ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ከጥፍአኩምን፥ ካብ ሃገርኩም ከርሕቑኹምን ኢሎም እዮም ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ። ንስልጣን ንጉስ ባቢሎን ዝእዘዝን፥ ክሳዱ ትሕት ኣቢሉ ዝግዛእን ህዝቢ ግና፥ ኣብ ሃገሩ ኽሓድጎ እየ፤ ንሱ ኽሓርሳን ኣብኣ ኽነብርን እዩ።” ኣነ ድማ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ልክዕ ከምዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ ነገርክዎ፤ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ስልጣን ንጉስ ባቢሎን ትሕት ኣብሉ፤ ንእኡን ንህዝቡን ከዓ ተገዝኡ እሞ፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ስለ ምንታይ ኢኹም፤ ንስኻን ህዝብኻን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ንንጉስ ባቢሎን ንዘይግዛእ ህዝቢ ዘጠንቀቖ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን እትሞቱ? እቶም ‘ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝኡን ኢኹም’ ዝብሉኹም ነቢያት፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፥ ኣይትስምዕዎም። ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ። ኣነ ንኻህናትን ንዅሉ ህዝብን “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ፥ ሕዚ ብቕልጡፍ ካብ ባቢሎን ክምለስ እዩ፥ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዘለዉ ነቢያትኩም፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ ኣይትስምዕዎም። ስለዙይ ኣይትስምዕዎም፤ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ። ስለ ምንታይከ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ? ሓቀኛታት ነቢያት እንተ ደኣ ኾይኖም፥ ቃል እግዚኣብሄርውን ብርግፅ እንተ ሃልዩዎምስ፥ እዝ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ይለምኑ” ኢለ ነገርክዎም። ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ኽወስዶም እንተሎ፥ ኣዕማድን ብነሃስ ዝተሰርሐ መዕቘሪ ማይን ወናብርን ዝተፈላለየ ኣቑሑ ቤተ መቅደስን ሓዲጉ ነበረ። “እምበኣርከስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቅደስን፥ ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ናብ ባቢሎን ክውሰድ፥ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮ ኸዓ ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ኸውፅኦን ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሶን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” በታ ዓመት እቲኣ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናይታ ራብዐይቲ ዓመት፥ ሃናንያ፥ ወዲ ነቢይ ዓዙር በዓል ገባዖን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ። ንዅሉ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ኣቑሑ፥ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶ እየ። ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየሞ፥ ንኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ንዅላቶም ናብ ባቢሎን ዝተወሰዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ” ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ቆይሙ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን፥ ንነቢይ ሃናንያ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ ነቢይ ኤርሚያስ ድማ በለ፦ “ኣሜን፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ይግበሮ። እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን ኵላቶም ምሩኻትን፥ ካብ ባቢሎን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽምለሱስ፥ ነቲ ዝተነበኻዮ ቓል፥ እግዚኣብሄር ይፈፅሞ። ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኻን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እዝ ህዝቢ እዙይን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ፦ እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝተስኡ ነቢያት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ውግእን መዓትን መቕሰፍትን ከም ዝመፅእ ተነበዩ። እቲ ሰላም ዝንበ ነቢይ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኾ ዝፍለጥ ግና፥ ቃል ትንቢቱ ምስ ተፈፀመ ጥራሕ እዩ።” ሽዑ ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ሰበሮ። ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ “እግዚኣብሄር ‘ከምዙይ ገይረ ነርዑት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ክሳድ ኵላቶም ህዝብታት ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ዓመት እዚኣተን ከምዙይ ክሰብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ። ነቢይ ኤርሚያስ ድማ መንገዱ ኸደ። ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ምስ ሰባበሮ፥ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ “ናብ ሃናንያ ኺድ እሞ ‘ንስኻ ኣርዑት ዕንፀይቲ ሰበርካ፤ ክንድኡ ግና ኣርዑት ሓፂን ክሰርሕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽግዝኡ፥ ኣብ እንስሳ በረኻ እኳ ስልጣን ሂበዮ ኣለኹ፤ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድ ኵሎም ህዝብታት ኣእትየ ኣለኹ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል’ ኢልካ ንገሮ” በሎ። ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ ንነቢይ ሃናንያ “ኦ ሃናንያ፥ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፤ ንስኻ ግና እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ሓሰት ክእመን ጌርካ ኢኻ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸርሕቐካ እየ፤ ኣብ ልዕለይ ክሕደት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ’ ይብለካ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ነቢይ ሃናንያ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ናይታ ዓመት እቲኣ ሞተ። ነቢይ ኤርሚያስ ነቶም ብህይወት ዝነብሩ ሽማግለታትን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ነቶም ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም ህዝቢ፥ ዝለኣኸሎም ቃል መልእኽቲ እዙይ እዩ። እዙይ ዝኾነ፥ ኢኮንያንን እኖኡ ንግስትን ናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣንን ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፂንን ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ከዱ እዩ። ነታ መልእኽቲ ብኢድ እቶም ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ናብ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ ወዲ ሳፋንን ገማርያ ወዲ ኬልቅያስን ለኣኻ፤ እታ መልእኽቲውን ከምዙይ እትብል ነበረት፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዅሎም ካብ ኢየሩሳሌም ዘማረኾም ምሩኻት ከምዙይ ይብል፦ ‘ቤት ሰሪሕኹም ተቐመጡ፤ ኣታኽልቲ ተኺልኩም ፍረኡ ብልዑ። ኣንስቲ ኣእቲኹም፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ውለዱ፤ ነወዳትኩምን ነጓላትኩምን ከዓ ኣመረዓዕውዎም፤ ንሳቶምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ይውለዱ። ቍፅርኹም ኣብቲ ዘለኹምዎ ምድሪ ይብዛሕ እምበር፥ ኣይውሓድ። ንኣኣ ሰናይ እንተ ኾነላ፥ ንኣኻትኩምውን ሰናይ ክኾነልኩም እዩሞ፥ ተማሪኽኩም ንዝኸድኩምዋ ኸተማ፥ ሰላምን ሃብትን ተመነዩላ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ፀልዩላ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ። ንሳቶም ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ” ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን። ክትፅውዑኒ፥ መፂእኹም ድማ ናባይ ክትፅልዩ ኢኹምሞ፥ ኣነውን ክሰምዐኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሊኹምኒ ኸዓ ኽትረኽቡኒ ኢኹም። ክርከበልኩም፥ ንምርኮኹም ከዓ ኽምልሶ እየ። ካብ ኵሎም እቶም ናብኣቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ኽእክበኩም እየ፤ ናብታ ተማሪኽኩም ክትከዱ እንተለኹም ዝሓደግኩምዋ ምድሪ ኽመልሰኩም እየ።” ንስኻትኩም “እግዚኣብሄር፥ ኣብ ባቢሎን ነቢያት ኣተሲኡልና ኣሎ” ትብሉ ኣለኹም። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝተቐመጠ ንጉስን፥ ብዛዕባ እቶም ምሳኻትኩም ተማሪኾም ዘይከዱ ኣሕዋትኩም፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅሉ ህዝብን ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ሰይፍን ጥሜትን መቕሰፍትን ክሰደሎም እየ፤ ከምቲ ኻብ ምብልሻዉ ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሰጎም፥ ኣብ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ኸዓ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣነ ናብኣቶም ዝሰጐጕክዎም ህዝብታት ድማ፥ ንመራገምን ንመገረምን ንመላገፅን ንመፃረፍን ክኾኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። እዝ ዝበፅሖም ዘሎ ኸዓ፥ ብኣገልገልተይ ነቢያት ገይረ እንተየቋረፅኩ ዝለኣኽኩሎም ቃለይ፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩምውን ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። እምበኣር ኣቱም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። “ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ ኣክኣብ ወዲ ቆላያን ሴዴቅያስ ወዲ ማዓሴያን፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሱውን ዓይንኹም እናረአየ ኽቐትሎም እዩ። እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም። እዙይ ዝበፅሖም ኣብ እስራኤል ክፍኣት ስለ ዝገበሩ፥ ኣብ ኣንስቲ ብፆቶም ስለ ዝዘመዉ፥ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃል ሓሰትውን፥ ብስመይ ስለ ዝተዛረቡ እዩ። ነዙይ ከዓ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ንሸማያ በዓል ኔሔላማዊ ኸምዙይ ኢልካ ኽትነግሮ ኢኻ፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀብፃብ መልእኽቲ ብስምካ ፅሒፍካ፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝብን ናብ ሶፎንያስ፥ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፥ ናብ ኵሎም ካህናትን፥ ከምዙይ ኢልካ ልኢኽካ ኢኻ። እግዚኣብሄር ክንዲ ካህን ዮዳሄ ገይሩ ሸመካ። ከምኡ ዘይገሰፅካዮ?” እቲ ኻህን ሶፎንያስ ከዓ፥ ነዛ ፀብፃብ ኣብ እዝኒ ነቢይ ኤርሚያስ ኣንበባ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ኤርሚያስ መፀ፤ እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ክሕደት ተዛሪቡ እዩሞ፥ እንሆ፥ ንሸማያ በዓል ኔሔላምን ንዘርኡን ክቐፅዖም እየ። ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ዝተርፍ ውሉድ ሓደ እኳ ኣይህልዎን እዩ። እቲ ኣነ ንህዝበይ ዝገብረሉ ሰናይ ድማ ኣይርእን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቃል እዙይ እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ “ነዘን ኵለን ዝነገርኩኻ ቓላት ኣብ መፅሓፍ ፀሓፈን። እንሆ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን፥ ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ክመልሶም እየ፤ ንሳቶምውን ክወርስዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ብዛዕባ ይሁዳን ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ። ናይ ፍርሓት እምበር ናይ ሰላም ኣይኮነን። ገፅ ኵሉ ሰብከ ፀሊሙ ዝረአ ዘሎ ስለ ምንታይ እዩ? ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።” “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ነቲ ኣብ ክሳዶም ዘሎ ኣርዑት ክሰብሮ እየ፤ ነቲ መእሰሪኦምውን ክበትኮ እየ። ድሕሪ ደጊም ባዕዳን ኣይገዝእዎምን እዮም። ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን፥ ነቲ ኣነ ዘተስአሎም ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ንጉስን ክግዝኡ እዮም። ዘፍርሖውን ኣይህሉን። ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን።” “ስብራትካ ዘይፅገን፥ ቍስልኻውን ብርቱዕ እዩ። ፈውስውን ኣይትረክብን። እወ፥ መቕፃዕትኻ ብርቱዕ ነበረ። እየ ዝቐፃዕኹኻ። ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።” መንበሪ ሰብ ክኸውን እዩ። ከኽብሮም እየሞ፥ ኣይዋረዱን እዮም። ንዅሎም ገፋዕቶም ክቐፅዖም እየ። ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ድማ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።” ኣብ ልዕሊ ናላ ኽፉኣት ክወርድ እዩ። ነዙይ ክተስተውዕልዎ ኢኹም። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በቲ ዘመን እቱይ ንዅሎም ነገድ እስራኤል ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቲ ኻብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ፥ ኣብ ምድረ በዳ ሞገስ ረኸበ። ንእስራኤል ከዕርፎ እኸይድ ኣለኹ። እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተገለፀለይ፤ ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ፤ ስለዙይ ድማ ብርህራሀ ሰሓብኩኺ። ኦ ድንግል እስራኤል፥ መሊሰ ኽሃንፀኪ እየ፤ ንስኺውን ክትህነፂ ኢኺ፤ ከም ብሓድሽ እውን ከበሮኺ ኣልዒልኪ ምስቶም ደረፍቲ ኽትወፂ ኢኺ። መሊስኪ ኣብ እምባታት ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሊ ኢኺ። እቶም ተኸልቲ ኽተኽልዎ እዮም፤ ብፍረኡውን ደስ ክብሎም እዩ። እቶም ኣብ እምባታት ኤፍሬም ዘለዉ ሓለውቲ “ንዑናይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ፅዮን ንደይብ” ኢሎም ዝፅውዑላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ። እግዚኣብሄር፥ ንተረፍ ህዝብኻ እስራኤል ኣድሕን” በሉ። ዓብዪ ህዝቢ ኾይኖም ናብዙይ ክምለሱ እዮም። ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ። ክሕልዎ እዩ ኢልኩም ኣውርዩለን። ኣድሒንዎ እዩ። ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም። ከፀናንዖምውን እየ። ይብል እግዚኣብሄር። ስለ ደቃ ምፅንናዕ ኣበየት።” ደቅኺ ኻብ ምድሪ ፀላኢ ኽምለሱ እዮም። ይብል እግዚኣብሄር። ኣነውን ክምለስ እየ። እንትበኪ ሰማዕኹ።” ይብል እግዚኣብሄር። ናብ ከተማታትኪውን ተመለሲ። ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።” ዝብል ቃል፥ መሊሶም ክናገሩ እዮም።” “ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኵሉ ሃገርን፥ ምስ ሓረስቶትን ምስቶም መጓሰ ሒዞም ዝዞሩን ዝነብሩን ሰባት ክርከቡ እዮም። ንዝደኸመት ነፍሲ ኣርውየ ኣለኹሞ፥ ንዝሓዘነት ነፍሲ ድማ ኣፅጊበ ኣለኹሞ። ድሕሪዙይ ተበራበርኩ፤ ጠመትኩውን፤ ድቃሰይውን ጥዑም ኮነለይ።” “እንሆ፥ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ብዘርኢ ሰብን እንስሳን ዝዘርኡሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር። ክኸውን ከዓ እዩ፥ ንምንቃሎምን ንምዕናዎምን ንምፍራሶምን ንምጥፋኦምን ንምስቓዮምን ከም ዝተጋህኹ፥ ከምኡ ድማ ንምህናፆምን ንምትካሎምን ክተግህ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣስናን እቶም ውሉድውን ከኸወ’ ኣይብሉን።” ንናይ ባዕሉ ስኒ ይኸኽዎ።” ከምቲ ኻብ ሃገር ግብፂ፥ ኣእዳዎም ሒዘ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይታኦም እንተለኹስ፥ ንሳቶም ነቲ ኪዳነይ ኣፍረስዎ፤ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም። ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኵላቶም ክፈልጡኒ እዮም እሞ፥ ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሎም ኣይምህሩን፤ ድሕሪዙይ ንስንሳቶም ኣይመሃሃሩን እዮም። ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ቅድመይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ክጠፍእ እዩ። ይብል እግዚኣብሄር።” “እንሆ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ ካብ ግንቢ ሃናንኤል ክሳዕ ደገ መኣዝን፥ ንእግዚኣብሄር እትሕነፀለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ መዐቀኒ ገመድ ከዓ፥ ክሳዕ ኰረብታ ጋሬብ ቀጥ ኢሉ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ናብ ጐዓም ኣቢሉውን ክምለስ እዩ። ኵሉ ሬሳታት ዝቕበሩሉን ሓሙዅሽቲ ዝጓሓፈሉ ለሰን፥ ኵሉ እቲ ገራሁ ኽሳዕ ሩባ ቄድሮንን፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ደገ ኣፍራስን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እታ ኸተማ ንሓዋሩ ኸቶ ኣይትንቀልን ኣይትፈርስንውን እያ።” በቲ ጊዜ እቱይ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፤ ነቢይ ኤርሚያስውን ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ። ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ። ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ፥ ብርግፅ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክወሃብ እዩ። ገፅ ንገፅ ከዘራርቦ፥ በዒንቱውን ክሪኦ እዩ እምበር ካብ ኢድ ባቢሎናውያን ኣየምልጥን። ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።” ኤርሚያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ በለ፦ “እንሆ፥ ኣናምኤል ወዲ ሳሉም፥ ሓው ኣቦኻ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ ‘መሰል ምቢዛው ዘለካ ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ዓድጋ’ ኽብለካ ናባኻ ኽመፅእ እዩ።” ኣናምኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ናብቲ ገበላ ቤት ማእሰርቲ መፂኡ “ክትቢዘዋ መሰል ርስቲ ዘለካ ንስኻ ኢኻሞ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ዓድጋ” በለኒ። እዙይውን ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጥኩ። ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከዓ ኻብ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ዓደግክዋ፤ ዋጋኣውን ዓሰርተ ሸውዓተ ቕርሺ ብሩር መዚነ ሃብክዎ። ነቲ ውዕሊ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፈ ፊርማይ ኣንበርኩ፤ ምስክር ፀዊዐ ድማ ነቲ ቕርሺ ብሩር ብሚዛን መዘንኩሉ። ነተን ውዕሊ ዝተፅሓፈን፥ ነታ ሕትምትን ነታ ቕልዕትን ወሲደ፥ ኣብ ቅድሚ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መፅሓፍ ውዕሊ ዝተፅሓፉ መሰኻኽርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ገበላ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን፥ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ወዲ መሕሴያ ሃብክዎ። ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከዓ ንባሮክ ከምዙይ ዝብል ትእዛዝ ሃብክዎ፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ‘ነዘን ውዕሊ ዝተፅሓፈን ከም ሕግን ውዕልን ዝተሓትመን ቅሉዕን ወሲድካ፥ ብዙሕ ዓመታት ከይተበላሸዋ ምእንቲ ኽፀንሓ ኣብ ውሽጢ ኣቕሓ መሬት ኣንብረን።’ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፥ ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ክዕድጉ እዮም’ ይብል ኣሎ።” እታ ውዕሊ መሸጣ ዝሓዘት መፅሓፍ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ምስ ሃብክዎ ኸዓ፥ ከምዙይ ኢለ ናብ እግዚኣብሄር ፀለኹ፦ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን። ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ንስኻ ብምኽርኻ ዓብዪ፥ ብግብርኻ ብርቱዕ ኢኻ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዶምን፥ ከከም ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦም ከዓ፥ ኣዒንትኻ ኣብ ኵለን መንገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን። ንስኻ ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ዘደንቕ ነገራትን ገበርካ፤ ከምኡውን ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ህዝብን ክሳዕ ሎሚ እናገበርካ፥ እንሆ ኸዓ በዙይ ስምካ ኣፀዋዕኻ። ንህዝብኻ እስራኤል፥ ብምልክትን ብዘደንቕን፥ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐ ቕልፅምን ብዘርዕድ ግርማን ካብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኻዮም። ነታ ነቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከዓ ሃብካዮም። ንሳቶም ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ግና ቓልካ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ዅሉ ኽገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበርዎን፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ዅሉ መዓት እዙይ ኣውረድካሎም። “ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ። ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ተውሂባ እንተላስ፥ ንስኻ ‘ግራት ብገንዘብ ዓድግ ምስክር ከዓ ሓዘሉ’ በልካኒ።” ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ “እንሆ ኣነ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ደቂ ሰብ ኣምላኽ እየ፤ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ? ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያንን ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ድማ ኽሕዛ እዩ። እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዝወግኡ ከለዳውያን ከዓ፥ ክመፁን ነታ ኸተማውን ከባርዕዋን እዮም፤ ከቘጥዑኒ ኢሎም ኣብ ሰገነት፥ ምስተን ንጣዖት በዓል ዝዓጠኑለን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ ኸቃፅልዋ እዮም። ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝኾነ ጥራሕ ገበሩ እምበር፥ ሓደ ነገር ኣይሰርሑን፤ ብሓቂውን ህዝቢ እስራኤል ብስራሕ ኢዶም ኣቘጥዑኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብቲ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ቍጥዓይን ናህረይን ኣለዓዓለትለይ፥ ስለዙይ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ከርሕቓ ወሰንኩ። እቲ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ብዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣት ኣቘጥዑኒ። ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሃቡኒ፤ መላሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ኣይሰምዑንን ተግሳፅውን ኣይተቐበሉን። ነታ ብስመይ ዝተፀውዐት ቤት ምእንቲ ኸርክስዋ ርኽሰቶም ኣብኣ ኣንበሩ። ኣወዳትን ኣጓላትን ደቆም ንሞሎኽ ምእንቲ ኽስውኡ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም፥ ንበዓል መስገዲ ዀረብታታት ሰርሑ። ንይሁዳ ናብ ሓጢኣት ከእትዉ፥ ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ክፍፅሙ፥ ኣነ ኣይኣዘዝኩን ፈፂመውን ኣይሓሰብኩን።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፦ “ንስኻ፥ ‘ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ፌራን፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፋ ኽትወሃብ እያ’ ስለ ዝበልካያ ስለ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፤ እንሆ፥ ካብቲ ዅሉ ብቝጥዓይን ብዓብዪ መቕሰፍተይን ዝሰጐጕክዎም ክእክቦም እየ፤ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ኽመልሶም፥ ብሰላምውን ከንብሮም እየ። ሽዑ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። ንባዕላቶምን ብድሕሪኦም ከዓ ንደቆምን፥ ሰናይ ምእንቲ ክኾነሎም፥ ኵልሻዕውን ክፈርሑኒ፥ ሓደ ልብን ሓደ መንገድን ክህቦም እየ። ንኣኣቶም ሰናይ ካብ ምግባር ድሕር ከይብል፥ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፥ ካባይ ከይርሕቑ ኸዓ፥ ፍርሓተይ ኣብ ውሽጢ ልቦም ከሕድር እየ። ንኣኣቶም ሰናይ ብምግባረይ እሕጐስ፤ ብምሉእ ልበይን ብምሉእ ነፍሰይን፥ ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ። “ከምቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥፍኣት ዘውረድኩሎም፥ ከምኡ ድማ እቲ ዅሉ ዘተስፎኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብታ ንስኻትኩም ሰብን እንስሳን ዘይነብሩላ ንባቢሎናውያን ዝተውሃበት፥ ባዶ ዝበልኩምዋ ሃገር ኣብኣ ገራሁ ኽዕድጉ እዮም። ኣነ ነቶም ምሩኻቶም ክምልሰሎም እየሞ፥ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ደጕዓን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ኔጌብን፥ ገራሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፤ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልውን፥ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ተፅሒፉ ኽሕተም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ኤርሚያስ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብኡ መፀ፦ ስሙ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንምድሪ ዝፈጠራን ዝመስረታን ዘፅንዓን እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናባይ ጥራዕ፤ ኣነውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ዘይምርመርን ነገር ድማ ኽገልፀልካ እየ። ብዛዕባ እቲ ብመፍረሲ ዕርድን፥ ብሰይፍን ዝፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ከለዳውያን ክዋግኡ መፂኦም እዮም፤ እዚኣቶም ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቝጥዓይ ዝቐተልኩዎም ሰባት ክመልእዋ እዮም። ብሰንኪ ዅሉ ኽፍኣቶም ካብዛ ኸተማ እዚኣ ገፀይ መሊሰ ኣለኹ። ይኹን እምበር ፈውስን መድሓኒትን ከምፅአላ እየ፤ ክፍውሶምውን እየ፤ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ኽገልፀሎም እየ። ምርኮ ይሁዳን ምርኮ እስራኤልን ክመልስ እየ፤ ከም ቀደም ከዓ ኽሃንፆም እየ። ካብቲ ንኣይ ዝበደሉሉ ሓጢኣት ከንፅሆም እየ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝዓመፅዎን ዝበደልዎን ሓጢኣቶም ይቕረ ኽብሎም እየ። እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንስም ንደስታ ንምስጋና ንኽብሪ ኽትኮነኒ እያ፤ ካብቲ ዅሉ ኣነ ዝህባ ሰናይን ሰላምን ዝተልዓለ ድማ፥ ክፈርሑን ከንቀጥቅጡን እዮም።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ብዘይ ሰብን ብዘይ እንስሳን፥ ዝባደመት እያ ኣብ እትብልዋ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ዝነብረሎም ኣብ ዘየለ ብዘይ ሰብን ብዘይ እንስሳን፥ ባድማ ዝኾኑ ኸተማታት ይሁዳን ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዛ ሰብን እንስሳን ዘይብላ ስፍራን፥ ኣብ ኵለን ከተማታታን ከም ብሓድሽ፥ መሕደሪ እቶም መጓሰታቶም ዘስፍሩ ጓሶት ክኸውን እዩ። ኣብ ደጕዓ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ቈላ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ደቡብ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ እተን መጓሰታት መሊሰን ብትሕቲ ኢድ እቲ ተቘፃፃሪአን ክሓልፋ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ እቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ብዛዕባ ቤት ይሁዳን፥ ዝተዛረብክዎ ሰናይ ቃል ዝፍፅመለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር። በቲ ጊዜ እቱይን፥ በቲ ዘመን እቱይን፥ ንዳዊት ጨንፈር ፅድቂ ኸጠጥዐሉ እየ። በቲ ዘመን እቱይ ይሁዳ ኽድሕን እዩ፤ ኢየሩሳሌምውን ብህድኣት ክትነብር እያ፤ መፀውዒ ስማ ድማ ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል ይኸውን። ካብ ዳዊት፥ ኣብ ዙፋን ቤት እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይሰኣንን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ካብ ሌዋውያን ካህናትውን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንምቕራብ፥ ናይ እኽሊ ቝርባን ንምቅፃል፥ ካልእ መስዋእቲ ንምስዋእ፥ ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ኣይሰኣንን።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ለይትን መዓልትን በብጊዜኡ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ናይ መዓልቲ ቓል ኪዳነይን ናይ ለይቲ ቓል ኪዳነይን ምፍራስ እንተ ኽኢልኩም፥ ሽዑ ድማ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ውሉድ ከይኾነሉ፥ ምስ ዳዊት ባርያይን ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናትን ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ክፈርስ እዩ። ከምቲ ሰራዊት ሰማይ ዘይቝፀር፥ ሑፃ ባሕሪ እውን ዘይስፈር፥ ከምኡ ንዘርኢ ዳዊት ባርያይን ንኣገልገልተይ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ መዓልትን ምስ ለይትን ዘሎ ኺዳነይ እንተ ዘየፅኒዐ፥ ንሰማይን ምድርን ዝሓገግክዎ ስርዓትውን እንተ ዘየፅኒዐ፥ ሽዑ ንዘርኢ ያእቆብን ንባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኣየተስእን እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየሞ፤ ክምሕሮምውን እየሞ።” ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸባርዓ እዩ። ንስኻ ኸዓ ብርግፅ ተትሒዝካ ናብ ኢዱ ኽትወሃብ ኢኻ እምበር፥ ካብ ኢዱ ኣይተምልጥን ኢኻ፤ ዓይንኻውን ንዓይኒ ንጉስ ባቢሎን ክትርኢ እያ፤ ንሱውን ኣፍ ንኣፍ ምሳኻ ኽነጋገር እዩ። ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ። ግና ኣታ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ይብል፦ ‘ብሰይፊ ኣይትመውትን ኢኻ።’ ብሰላም ክትመውት ኢኻ፤ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ኣቦታትካ ዘቃፅሉሎም ዝነበሩ ኸቃፅሉልካ እዮም፤ ‘ዋይ ዋይ ጐይታና’ እናበሉ ድማ ኸልቅሱልካ እዮም፤ ኣነ ባዕለይ እዝ ቓል እዙይ ተናጊረ እየሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን፥ ንኢየሩሳሌምን ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዅላተን ከተማታት ይሁዳን፥ ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዓሪደን ተሪፈን ዝነበራ፥ ላኪሶን ኣዜቃን ክዋጋእ እንተሎ፥ ኤርሚያስ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኵለን እዘን ቃላት እዚኣተን ነገሮ። ንጉስ ሴዴቅያስ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ፥ ሓርነት ባሮቶም ክእውጁ ቓል ኪዳን ምስ ኣተወ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። እቲ ኪዳን ከዓ ነፍሲ ወከፎም፥ ዕብራውያን ንዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ “ሓደ እኳ ንኣይሁዳዊ ሓዉ፥ ባርያ ኸይገብር” ዝብል ነበረ። ኣሕሉቖምን ኵሎም ህዝብን ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ ድሕሪዙይ ከዓ ባሮት ከይገብርዎም፥ ቃል ኪዳን ኣተዉ፥ ሓራውን ኣውፅእዎም። ደሓር ግና መሊሶም፥ ነቶም ሓራ ኣውፂኦምዎም ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም መለስዎም፤ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም። ስለዙይ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብፂ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኸምዙይ ኢለ ምስኣቶም ኪዳን ኣተኹ፤ ‘ሸውዓተ ዓመት ምስ ተፈፀማ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ንኣኻትኩም ንባርነት ዝሸጠ እሞ፥ ሽዱሽተ ዓመት ዝተገዝአኩም ዕብራዊ ሓውኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ሓራ ኣውፅእዎ፤’ ግና ኣቦታትኩም ኣይሰምዑንን ኣእዛኖምውን ፅን ኣየበሉን። ንስኻትኩም ሎሚ ተመሊስኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ንብፃዩ ሓራ ምውፃእ ብምእዋጅኩም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት ድማ፥ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣተኹም። ግና ተመሊስኩም ንስመይ ኣርከስኩምዎ፤ ነቶም ሓራ ኣውፂእኹም፥ ናብ ዝደለይዎ ክኸዱ ዝሰደድኩምዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መለስኩምዎም፤ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከዓ ገዛእኹምዎም። ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ነቶም ቃል ኪዳን ዝተሓላለፉ ሰባት፥ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸዓ ሓሊፎም፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ዘይሓለዉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ክልተ ዝመቐልዎ ምራኽ ክገብሮም እየ። ነቶም ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሓለፉ ኣሕሉቕ ይሁዳን ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥ ኣብ ኢድ ፀላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ክኸውን እዩ። ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን እውን፥ ናብ ኢድ ፀላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩ ሰባትን፥ ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሓቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ናብ ቤት ሬካባውያን ኪድሞ ተዛረቦም፤ “ካብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ካብ ዘለዉ ኽፍልታት ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ድማ ኣእትዎም፤ ወይኒ እውን ኣስትዮም” በለኒ። ሽዑ ያእዛንያ ወዲ ኤርሚያስን ወዲ ከባስን፥ ነሕዋቱን ንዅሎም ኣወዳት ደቁን፥ ንዅሎም ሬካባውያንን ወሰድክዎም። ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብ ክፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ኢግዳልያ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣእተኽዎም። እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት ኣሕሉቕ፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ ወዲ ሰሎም ሓላዊ ኣፍ ደገ ዘላ እያ። ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ ሬካብ ከዓ፥ ወይኒ ዝመልአ ሳራሙን ዋናጩን ቀሪበ፥ “ወይኒ ስተዩ” በልክዎም። ንሳቶም ግና “ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ‘ኣባይቲ ኣይትስርሑ፤ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉ፤ ኣይተጥርዩውን፤ ኣብታ ኣጋይሽ ኴንኩም እትነብሩላ ዘለኹም ሃገር፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኵሉ ዘመንኩም ኣብ ድንኳን ንበሩ፤ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና። ንሕናውን ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ዝኣዘዘና ዅሉ ቓል ፈፂምና ኢና፤ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣጓላትናን ድማ ብዅሉ ዘመንና ፈፂምና ወይኒ ኣይንሰትን ኢና። እንነብረለን ኣባይቲ ኣይሰራሕናን፤ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ዘርእን የብልናን ኢና። ኣብ ድንኳን ኢና እንነብር፤ ኵሉ ኣቦና ኢዮናዳብ ዘኣዘዘና ጌርና ኢና። ግና ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ መፀ፥ ‘ካብ ገፅ ሰራዊት ከለዳውያንን፥ ካብ ገፅ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ ኢየሩሳሌም ንኺድ’ ኢልና ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጥና” በሉ። ሽዑ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኪድሞ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ “ቃለይ ንምስማዕስ ተግሳፅዶ ኣይትቕበሉን ኢኹም?” ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፥ “ወይኒ ኣይትስተዩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ቃል ተፈፀመ። ንሳቶም ንትእዛዝ ኣቦኣቶም ሰሚዖም፥ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ተዛሪበኩም ኣለኹ፤ ተናገርኩ ግና ንስኻትኩም ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን። ደቂ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ነቲ ኣቦኣቶም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ፈፂሞምዎ እዮም፤ እዝ ህዝቢ ግና ኣይሰምዐንን። ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ “ተዛሪበዮም ኣይሰምዑንን፤ ፀዊዐዮም ከዓ ኣይመለሱን፤ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅላቶምን፥ እቲ ዅሉ ዝተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ” ይብል ኣሎ። ኤርሚያስ ንሬካባውያን ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንትእዛዝ ኣቦኻትኩም ኢዮናዳብ ስለ ዝተኣዘዝኩም፥ ንዅሉ ትእዛዙ ኸዓ ስለ ዝሓለኹም፥ ከምቲ ዅሉ ንሱ ዝኣዘዘኩምውን ስለ ዝገበርኩም፥ ‘ካብ ወገን ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ንዘለኣለም ኣይሰኣንን እዩ’ ይብል ኣሎ።” “ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ። ምናልባሽ ህዝቢ ይሁዳ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ ሓሲበዮ ዘለኹ ጥፍኣት ምስ ሰምዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። ኣነውን በደሎምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ” በሎ። ኤርሚያስ ድማ ሽዑ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሮክውን ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኻብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝጥቕለል መፅሓፍ ፀሓፎ። ሽዑ ኤርሚያስ ንባሮክ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኣነ ተኸልኪለ ኣለኹሞ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኣቱ ኣይክእልን። ስለዙይ ንስኻ ኺድ እሞ ነቲ ኻብ ኣፈይ ናብቲ ጥቕሉል መፅሓፍ ዝፀሓፍካዮ ቓል እግዚኣብሄር፥ በታ መዓልቲ ፆም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እዝኒ ዅሎም እቶም ህዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ከካብ ከተማታቶም ዝመፁ ህዝቢ ይሁዳ ኣንብበሎም። እቲ እግዚኣብሄር ኣብዞም ህዝቢ እዚኣቶም ዝተናገሮ፥ ቍጥዓኡን መቕሰፍቱን ዓብዪ እዩ እሞ፥ ምናልባሽ ፀሎቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይበፅሕ ይኸውን፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኻብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ።” ባሮክ ወዲ ኔርያ ድማ ልክዕ ከምቲ ኤርሚያስ ዝኣዘዞ ገበረ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከይዱ ድማ፥ ካብቲ መፅሓፍ ቃል እግዚኣብሄር ኣንበበ። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኵላቶም እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ህዝብን፥ ኵላቶም እቶም ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ህዝብን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፆም ክፆሙ ኣወጁ። ባሮክ ድማ ነቲ ቓል ኤርሚያስ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብቲ ላዕለዋይ ኣደባባይ “ሓዳስ በሪ” ብዝበሃል መእተዊ ቤተ መቕደስ ብዝርከብ፥ በቲ ፀሓፊ ወዲ ሳፋን፥ ኣብ ውሽጢ ኽፍሊ ገማርያ ኾይኑ፥ ኣብ እዝኒ ዅሉ ህዝቢ ኣንበቦ። ሚክያስ፥ ወዲ ገማርያ ወዲ ሳፋን፥ ኵሉ ቃል እግዚኣብሄር ኻብቲ መፅሓፍ ምስ ሰምዐ፥ ሽዑ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ናብቲ ፀሓፊ ዘለዎ ኽፍሊ ወረደ። ኤሊሳማ እቲ ፀሓፍን ድላያ ወዲ ሸማያን ኤልናታን ወዲ ኣክቦርን ገማርያ ወዲ ሳፋንን ሴዴቅያስ ወዲ ሃናንያን ኵላቶም ኣሕሉቕን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ሚክያስ ከዓ ባሮክ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብቲ መፅሓፍ ከንብበሎም እንተሎ ዝሰምዖ ዅሉ ቓላት ንኣኣቶም ነገሮም። ኵሎም እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ንይሁዲ ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ሰለምያ፥ ወዲ ኵሲ፥ ናብ ባሮክ ልኢኾም “ነታ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ዘንበብካያ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢድካ ሒዝካያ ምፃእ” በልዎ። ባሮክ ወዲ ኔርያ ድማ ነታ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናብኣቶም መፀ። ንሳቶም ድማ “ተቐመጥ እሞ ኣብ እዝንና ኣንብበልና” በልዎ፤ ባሮክውን ኣንበበሎም። ነቲ ዅሉ ቓል ምስ ሰምዕዎ ኸዓ ደንጊፆም ንስንሳቶም ተጠማመቱ፤ ንባሮክ ከዓ “እዝ ዅሉ ቓል እዙይ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ” በልዎ። ንባሮክ ድማ “እስኪ ንገረና ኸመይ ጌርካ ኢኻ እዝ ዅሉ ቓላት እዙይ ካብ ኣፉ ዝፀሓፍካዮ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ባሮክ ከዓ “እወ፥ እዝ ዅሉ ብኣፉ ይነግረኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ኣብቲ መፅሓፍ ብቐለም እፅሕፎ ነበርኩ” ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንባሮክ “ኪድ እሞ፥ ንስኻን ኤርሚያስን ተሓብኡ፤ ኣበይ ከም ዘለኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ” በልዎ። ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኣብ ክፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣንቢሮም፥ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ ገበላ ኣተዉ እሞ፥ ኵለን እተን ቃላት እቲኣተን ንንጉስ ነገርዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸምፅኣ ንይሁዲ ለኣኾ። ንሱውን ካብቲ ኽፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣምፂኡ፥ ይሁዲ ድማ ንንጉስን ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ንጉስ ቆይሞም ዝነበሩ ኣሕሉቕን ኣንበበሎም። ታሽዓይ ወርሒ ስለ ዝነበረ፥ እቲ ንጉስ ኣብቲ ወርሓት ክረምቲ ዘሕልፈሉ ኣዳራሽ ተቐሚጡ ነበረ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ሓዊ ዝተኣጐደ ምድጃ ነበረ። ይሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ እቲ ንጉስ ነቲ ብራና ብካራ እናቐደደ፥ ናብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ። እታ ጥቕልልቲ ብራና ድማ ብምልእታ ኣብቲ ሓዊ ምድጃ ሞዅ በለት። እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን። ኤልናታንን ደላያን ገማርያን፥ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸየቃፅላ ንንጉስ ለሚኖምዎ እንተ ነበሩ እኳ፥ ንሱ ኣይሰምዖምን። እኳ ድኣ እቲ ንጉስ ንኤርሚያስን ንፀሓፊኡን ሒዞም ክእሰሩ፥ ንይረሕሚኤል ወዱን ንሰራያ ወዲ ዓዝርኤልን ንሰሌምያ ወዲ ዓብድኤልን ኣዘዞም፤ ግና እግዚኣብሄር ሰወሮም። እቲ ንጉስ ነቲ ባሮክ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ዝፀሓፎ ቓል ዘለዎ ብራና ምስ ኣቃፀለ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። መሊስካ ኻልእ ብራና ውሰድ እሞ፥ ነተን ኣብ ልዕሊ እታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ፥ ኵለን ቃላት ኣብኣ ፀሓፈን። ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ ‘ንጉስ ባቢሎን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸዓ ኸጥፍኣ እዩ፥ ካብኣውን ሰብን እንስሳን ከፅንት እዩ’ ኢልካ ዝፀሓፍካስ ስለ ምንታይ ኢኻ? እናበልካ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ብሓዊ ኣቃፀልካያ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይርከብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፥ ለይቲ ኣብ ቍሪ ኽድርበ እዩ። ንእኡን ንደቁን ነሕሉቑን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ። ምስማዕ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኵሉ ከውርደሎም እየ ዝበልክዎ ጥፍኣት፥ ኣብኣቶምን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዘለዉን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይሁዳን ከምፅእ እየ።” ሽዑ ኤርሚያስ ካልእ ጥቕልልቲ ብራና ወሲዱ ንፀሓፊኡ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ሃቦ። ንሱውን ነተን ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ወሲዱ ዘንደዳ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ ዅለን ቃላት፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብኣ ፀሓፈን። ካልእ እውን ንኣኣተን ዝመስላ ብዙሓት ቃላት ተወሰኻአን። ግና ሴዴቅያስ ኮነ ባሮቱ ወይ ህዝቢ እታ ሃገር፥ ነቲ ብነቢይ ኤርሚያስ ኣቢሉ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ቓል ኣይሰምዑን። ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ ንዮካል ወዲ ሰለምያን፥ ንሶፎንያስ ወዲ መእሴያ እቲ ኻህንን፥ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀሊ ኢሉ፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ለኣኸ። ኤርሚያስ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዘየእተውዎ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ። ሰራዊት ፈርዖን ካብ ግብፂ ወፂኡ ነበረ እሞ፥ ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ንድሕሪት ተመለሱ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ መፀ፤ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ክትጥይቑኒ ናባይ ንዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ። እንሆ ኽሕግዘኩም ዝወፀ ሰራዊት ፈርዖን ናብ ሃገሩ ግብፂ ኽምለስ እዩ። ከለዳውያን ከዓ ተመሊሶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኽዋግእዋ፥ ክሕዝዋን ብሓዊውን ከባርዕዋን እዮም። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ከለዳውያን ብርግፅ ሓዲጎምና ክኸዱ እዮም ኢልኩም ኣይትሕሰቡ፤ ኣይኸዱንሞ ንርእስኹም ኣይተታልሉ። ንዅሉ እቲ ዝዋግአኩም ሰራዊት ባቢሎናውያን እንተ እትስዕርዎ እሞ፥ ውጉኣት ሰባት ጥራሕ ካብኣቶም እንተ ዝተርፉ፥ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ካብ ደድንኳኖም ተሲኦም፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መባርዕዋ ነይሮም።” ሰራዊት ባቢሎን ካብ ፍርሓት ጭፍራ ፈርዖን ዝተልዓለ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ወፀ፥ ኤርሚያስ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ብፅሒት ርስቱ ኽቕበል ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ምድሪ ብንያም ክኸይድ ተልዓለ። ግና ናብታ ደገ ብንያም እትብሃል ምስ በፅሐ፥ የርያ ዝስሙ ወዲ ሰሌምያ ወዲ ሃናንያ ሓለቓ ሓለውቲ “ናብ ባቢሎናውያን ኢኻ እትመልቝ ዘለኻ” ኢሉ ንኤርሚያስ ሓዞ። ኤርሚያስ ድማ “ሓሰት እዩ፤ ከዲዐ ናብ ባቢሎናውያን ምኻደይ ኣይኮነን” በለ። የርያ ግና ኣይሰምዖን። እኳ ድኣ ሒዙ ናብ ኣሕሉቕ ወሰዶ። እቶም ኣሕሉቕ የመና ዀርዮም ንኤርሚያስ ወቕዕዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ዝነበሩ፥ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ኣሰርዎ። ሽዑ ኤርሚያስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥ ተገብረ፤ ኣብኡውን ንነዊሕ መዓልቲ ፀንሐ። ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። መሊሱ ድማ ንንጉስ ሴዴቅያስ “ንኣኻን ነሕሉቕካን ነዝ ህዝቢ እዙይን እንታይ በዲለ እየ? ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምኒ? እቶም ‘ንጉስ ባቢሎን፥ ናባኻትኩምን ናብዛ ሃገር እዚኣን ኣይመፅእን እዩ’ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ? እምበኣር ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ጥርዓነይ ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን፤ ኣብኣ ኸይመውትስ ደጊምካ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኣይትምለሰኒ” ኢሉ ለመኖ። ስለዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንኤርሚያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥሞ፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ እንጀራ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ካብ ሰፈር ሰንከትቲ በብመዓልቱ ሓድሓደ እንጀራ ኽወሃቦ ኣዘዘ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ። ሰፋጥያስ ወዲ ማታንን፥ ጎዶልያስ ወዲ ጳስኮርን፥ ዩካል ወዲ ሰሌምያን፥ ጳስኮር ወዲ መልክያን፥ ነቲ ኤርሚያስ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ” ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ዝተዛረቦ ቓል ሰምዕዎ። “ኵሉ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተርፍ፥ ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ፤ ንባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ ግና ኣይመውትን እዩ። ነፍሱ ኣትሪፉ ብህይወት ክነብር እዩ። እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግፅ ናብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንንጉስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ጕድኣት ህዝቢ እምበር፥ ድሕነቱ ዘይደሊ ስለ ዝኾነ፥ ከምዙይ ዘመሰለ ቓል እናተዛረበ፥ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፥ ንዅሉ ህዝብን ተስፋ የቝርፆም ኣሎ እሞ፥ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣቕትሎ” በልዎ። ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ “ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፤ ንጉስ ኣይቃወመኩምን” በለ። ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ። እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥ ኣቢሜሌክ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፂኡ፥ ንንጉስ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንነቢይ ኤርሚያስ ኣብ ጕድጓድ ብምድርባዮም ክፉእ ገይሮም ኣለዉ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጀራ ስለ ዘየለ፥ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ክመውት እዩ” ኢሉ ነገሮ። እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ “ካብዙይ ሰላሳ ሰብኡት ተማላእ እሞ ንነቢይ ኤርሚያስ ከይሞተ እንተሎ ኻብታ ጕድጓድ ኣውፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ። ኣቢሜሌክ ከዓ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፥ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤተ መዝገብ ኣትዩ፥ ካብኡ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብ ኤርሚያስ ናብታ ጕድጓድ ኣውረዶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ ድማ ንኤርሚያስ “እዝ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ መንኰርኳዕትኻ ኣብ ትሕቲ እቲ ገመድ ግበሮ” በሎ። ኤርሚያስ ከዓ ኸምኡ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንኤርሚያስ ብገመድ ስሒቦም ካብቲ ጕድጓድ ኣውፅእዎ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ። ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ ናብ ኤርሚያስ ልኢኹ፥ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኣምፅኦ። “ሓንቲ ነገር ዝጥይቐካ ኣላትኒ እሞ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብአለይ” በሎ። ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “እንተ ነገርኩኻ ብርግፅ ኣይትቐትለንንዶ? እንተ መኸርኩኻ ኸዓ ኣይትሰምዐንን ኢኻ” በሎ። ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ “ከም ዘይቀትለካን፥ ናብቶም ንነፍስኻ ዝደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸም ዘይህበካን፥ በቲ ህይወት ዝሃበና ህያው እግዚኣብሄር እምሕለልካ ኣለኹ” ኢሉ ብምስጢር መሓለሉ። ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ‘ወፂእኻ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኼድካ፥ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይትባራዕን እያ፤ ንስኻን ስድራኻን ከዓ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግና ወፂእኻ ናብ ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይኼድካ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክትወሃብ፥ ንሳቶም ከዓ ብሓዊ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ’ ይብል ኣሎ” በሎ። ንጉስ ሴዴቅያስ ድማ ንኤርሚያስ “ንኣይ ኣብ ኢድ እቶም ናብ ባቢሎናውያን ዝኣተዉ ኣይሁድ፥ ኣሕሊፎም ከይህቡኒ እሞ ኸየላግፁለይ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ። ኤርሚያስ ከዓ “ኣሕሊፎም ኣይህቡኻን እዮም፤ ክቐንዐካ ብህይወትውን ክትነብርስ፥ እዝ ዝብለካ ዘለኹ ቓል እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ። ኣይወፅእን ኢልካ እንተ ኣበኻ ግና፥ እንታይ ከም ዝበፅሐካ እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ ኣሎ። ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ። “ንዅለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ባቢሎናውያን ከውፅእዎም እዮም፤ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኽትባራዕ እያ” በሎ። ሽዑ ሴዴቅያስ ንኤርሚያስ ከምዙይ በሎ፦ “ነዝ ቃል እዙይ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ፤ ንስኻውን ኣይትሞትን። እቶም ኣሕሉቕ ምሳኻ ኸም ዝተዛረብኩ እንተ ሰሚዖም፥ ናባኻ መፂኦም ድማ ‘ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ፥ እቲ ንጉስ ድማ እንታይ ከም ዝበለካ እንተይሓባእኻ እንተ ነጊርካና ኣይንቐትለካን ኢና’ እንተ በሉኻ፥ ንስኻ ድማ ‘ኣብኣ ኸይመውትስ ናብ ቤት ዮናታን ኣይትምለሰኒ ኢለ እየ ንንጉስ ዝለመንክዎ’ በሎም።” ሽዑ ዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ናብ ኤርሚያስ መፂኦም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ንጉስ ዝኣዘዞ ነገሮም። እቲ ነገር ኣይተሰምዐን ነበረ እሞ፥ ስቕ ኢሎም ከዱ። ኽሳዕ እታ ኢየሩሳሌም ዝተትሓዘትላ መዓልቲ ድማ ኤርሚያስ ኣብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ። ኢየሩሳሌም ምስ ተትሓዘት፥ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዓይ ዓመት ብዓስራይ ወርሒ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሎም ሰራዊቱን መፂኦም ንኢየሩሳሌም ከበብዋ። ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ፥ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፥ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ እታ ኸተማ ተኸፍተት። ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ናብኣ ኣተዉ፤ ኤርጌል ሳራስር፥ ሳምጋርናቦ፥ ራፌስ እቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኤርጌል ሳራስር፥ ራብማግ ምስ ኵሎም እቶም ካልኦት ኣሕሉቕ፥ ኣትዮም ኣብታ ማእኸለይቲ በሪ ተቐመጡ። ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ሓሻኽሩን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብለይቲ ኻብታ ኸተማ ብመንገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፥ በታ ኣብ መንጎ ኽልተ ቕፅሪ ዘላ በሪ ወፂኦም ሃደሙ። ብመንገዲ ናብቲ ኣረባ ኣቢሎም እውን ኣምርሑ። ሰራዊት ባቢሎናውያን ግና እናጐየዩ ሰዓብዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣብ በረኻ ኢያሪኮ ኣርከብዎ። ሒዞም ድማ ናብቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ኣብ ሃገር ሓማት ናብ እትርከብ ሪብላ ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆርውን ኣብኡ ፈረዶ። ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ሪብላ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ እውን ኣብኡ ኣቕተሎም። ንሴዴቅያስውን ነዒንቱ ኣውፅአን፤ ናብ ባቢሎን ክወስዶ ድማ፥ ብመቝሕ ነሃስ ኣሰሮ። እቶም ዝተረፉ ባቢሎናውያን ከዓ፥ ንቤት ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣባርዕወን፤ ንቕፅርታት ኢየሩሳሌምውን ኣፍረስወን። ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ከዓ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ህዝብን፥ ነቶም ቅድም ናብኡ ኸይዶም ዝነበሩ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና፥ ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን፥ ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ሓደጎም፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ከዓ ሃቦም። ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ድማ ንናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት “ንኤርሚያስ፥ ውሰዶ እሞ ብፅቡቕ ዓይኒ ረአዮ፤ ከምቲ ዝብለካ ደኣ ግበረሉ እምበር፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይተብፅሐሉ” ዝብል ትእዛዝ ለኣኸሉ። ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ናቡሽዝባን ሓለቓ ስሉባትን ኤርጌል ሳራስርን፥ ንኻልኦት ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎንን ልኢኾም፥ ንኤርሚያስ ካብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ናብ ቤቱ ኽወስዶ ኸዓ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ብሓደራ ሃብዎ። ኤርሚያስ ድማ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ተቐመጠ። ኤርሚያስ ኣብቲ መካበቢያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ፦ “ኬድካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ንኣቢሜሌክ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ነቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንድሕነት ዘይኮነስ ንኽፉእ ኸውርዶ እየ፤ ኢለ ተዛሪበሉ ዝነበርኩ መዓት ከውርዶ እየ። እዙይ ከዓ እንትፍፀም ንስኻ ብዓይንኻ ኽትሪኦ ኢኻ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ሰባት ኣይትወድቕን ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣባይ ስለ ዝተኣመንካ፥ ኣነ ብርግፅ ከድሕነካ እየ። ንህይወትካ ኽተድሕና ኢኻ እምበር ብሰይፊ ውግእ ኣይትወድቕን ኢኻ’ ይብል እግዚኣብሄር።” ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ንኤርሚያስ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን፥ ናብ ባቢሎን ናብ ዝተወሰዱ ማእኸል ኵሎም ምሩኻት፥ ብሰንሰለት ኣሲሩ ምስ ኣምፅኦ፥ ካብ ራማውን ፈቲሑ ምስ ሰደዶ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ። እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርሚያስ ወሰዶ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ኣብዝ ስፍራ ተናገረ። እንሆ ድማ ኣምፅኦ፤ ሕዚ እውን ከምቲ ዝተዛረቦ ገበረ፤ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ቃሉውን ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ እዝ ነገር እዙይ በፅሐኩም። ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ሎሚ ነቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት ፈታሕኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ድሌትካ እንተ ኾይኑ ነዓናይ፥ ኣነውን ብፅቡቕ ዓይኒ ኽሪአካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ እንተ ዘይደሊኻ ግና፥ ተቐመጥ፤ እንሆ፥ ኵላ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ናብቲ ኽትከዶ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ። ኤርሚያስ ገና መልሲ እንተይሃበ ናቡዘረዳን ቀፂሉ፦ “ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ተመለስ፤ ምስኡውን ኣብ ማእኸል ህዝቢ ተቐመጥ፤ ወይ ከዓ ናብቲ ቕኑዕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ። እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ስንቅን ውህብቶን ሂቡ ኣፋነዎ። ሽዑ ኤርሚያስ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ ኸደ እሞ፥ ምስኡ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ተቐመጠ። ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ፥ ኢዶም ዘይሃቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ኵሎም ሰቦም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ነቶም ናብ ባቢሎን እንተይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን፥ ከም ዘማዕቘቦም ምስ ሰምዑ፥ እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬያ፥ ሰራያ ወዲ ተንሁሜት፥ ደቂ ዮፌ እቲ ነጦፋዊ፥ ያእዛንያ ወዲ ማእካታዊ ምስ ኵሎም ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ። ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከምዙይ ኢሉ መሓለሎም “ንባቢሎናውያን እንተይፈራሕኹም ተገዝእዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ፤ ኣብዛ ሃገር ከዓ ተቐመጡ እሞ ሰናይ ክኾነልኩም እዩ። እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመፁ ባቢሎናውያን፥ ክቖመልኩም ኣብ ምፅጳ ኽቕመጥ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዘለላ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ፍረ ሓጋይን ኣክቡ፤ ኣብ ማዕኸናትኩም ከዓ ኣንብሩ እሞ፥ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ” ድማ በሎም። ኵሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእኸል ደቂ ኣሞንን ኣብ ኤዶምያስን ኣብ ኵሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኸም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ፥ ሽዑ ዅሎም ኣይሁድ ከካብቲ ዝተሰደዱሉ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዅሉ ቦታ ተመለሱ እሞ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ጎዶልያስ ናብ ዘለዎ ናብ ምፅጳ መፁ፤ የመና ብዙሕ ፍረ ሓጋይ ድማ ኣከቡ። ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ እሞ፥ “በዓሊስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ንእስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ክቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶ ትፈልጥ ዲኻ?” በልዎ። ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ኣይኣመኖምን። ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ንጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ “እቶም ኣባኻ ዝተኣከቡ ኣይሁድ ፋሕ ክብሉ፥ እቶም ተረፍ ይሁዳ ድማ ኽጠፍኡስ፥ ስለ ምንታይ እስማኤል ወዲ ናታንያ ንኣኻ ዝቐትለካ? ሓደ እኳ እንተይፈለጠ ኸይደ ኽቐትሎ ፍቐደለይ” ኢሉ ብሕቡእ ተዛረቦ። ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬያ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስማኤል ትሕሱ ኢኻ ዘለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣይትግበር” በሎ። ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይታ ዓመት፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፥ ወዲ ናታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ መፀ። ኣብኣ ኸዓ ዅሎም ሓቢሮም እንጀራ በልዑ። ሽዑ እስማኤል ወዲ ናታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ተሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸይምዎ ንዝነበረ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ብሰይፊ ሰዪፎም ቀተልዎ። ነቶም ምስ ጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅላቶም ኣይሁድን፥ ነቶም ኣብኡ ዝፀንሑ ተዋጋእቲ ከለዳውያንንውን ቀተልዎም። ንጎዶልያስ ምስ ቀተልዎ ኸዓ ንፅባሒቱ፥ ሓደ እኳ እንተይፈለጠ እንተሎ፥ ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ። እስማኤል ወዲ ናታንያ ኸዓ ኻብ ምፅጳ እናበኸየ ኸደ። ምስ ተራኸቦም ድማ “ንዑናይ፤ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም” ንኺድ በሎም። ኣብ ማእኸል ከተማ ምስ ኣተዉ ግና፥ እስማኤል ወዲ ናታንያንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ሓረድዎም፤ ናብ ጕድጓድ ከዓ ደርበይዎም። ካብኣቶም ድማ ዓሰርተ ሰባት ንእስማኤል “ሕቡእ መዝገብ፥ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ በረኻ ኣለና እሞ፥ ኣይትቕተለና” ዝብልዎ ተረኽቡ፤ ንሱውን ካብቶም ኣሕዋቶም ፈልዩ እንተይቐተለ ሓደጎም። እታ እስማኤል ንዅሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ዝደርበየላ ዒላ፥ ንጉስ ኣሳ ንባዖስ ንጉስ እስራኤል ፈሪሑ ዘዅዓታ ገፋሕ ጕድጓድ ነበረት። ንኣኣ እስማኤል ወዲ ናታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ። እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ። ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ እቲ ዅሉ እስማኤል ወዲ ናታንያ ዝገበሮ ኽፍኣት ምስ ሰምዑ፥ ኵሉ ሰቦም ሒዞም፥ ንእስማኤል ወዲ ናታንያ ኽዋግኡ ሰዓብዎ እሞ ኣብቲ ኣብ ገባዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት ረኸብዎ። ኵሎም እቶም እስማኤል ማሪኽዎም ዝነበረ ህዝቢ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያንን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምስ ረአዩ፥ ተሓጐሱ። ኵሎም እቶም እስማኤል ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ሰባት፥ ኣምሊጦም ናብ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ተመሊሶም ከዱ። እስማኤል ወዲ ናታንያ ግና፥ ምስ እቶም ሓቢሮምዎ ዝነበሩ ሸሞንተ ሰብኡት፥ ካብ ዮሃናን ኣምሊጡ ናብ ደቂ ኣሞን ከደ። ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም እስማኤል ወዲ ናታንያ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ምስ ቀተሎ፥ ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባትን ካብኡ ወሰዶም። እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ስለ ዝቐተሎ፥ ንባቢሎናውያን ብምፍራሖም ንግብፂ ክኸዱ ነቐሉ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተልሔም ዘላ፥ ጌሮት ከመዓም እትብሃል ቦታ ኸዓ ሰፈሩ። ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ይዘንያ ወዲ ሆሻያን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ እውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ቐረቡ፤ ንነቢይ ኤርሚያስውን፦ “ካብ ብዙሓት፥ ውሑዳት ከም ዝተረፍና ትሪአና ኣለኻሞ፥ በይዛኻ ልመናና ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ። ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥ እንኸደላ መንገድን እንገብሮ ግብርን ከርእየና፥ ስለ እዞም ተረፍ፥ ናብ ኣምላኽካ ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ። ኤርሚያስ ከዓ “ሰሚዐኩም ኣለኹ፤ እንሆ፥ ከምቲ ቓልኩም ገይረ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፅሊ እየ። እግዚኣብሄር ዝበለኒ ቓል ድማ ኽነግረኩም እየ፤ ሓንቲ እኳ ኣይሓብአኩምን እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብኣኻ ገይሩ ዝሰደልና ዅሉ ቓል እንተ ዘይጌርና፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹነና። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣዚዝና ሰናይ ምእንቲ ክኾነልና፥ ይፀብቕ ወይ ይኽፋእ፥ ነቲ ናብኡ እንልእኸካ ዘለና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንእዘዞ ኢና” በልዎ። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኤርሚያስ ከምዙይ በሎ፦ ንሱ ኸዓ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ነቶም ምስኡ ዝነብሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ንዅሎም እቶም ህዝብን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ፀዊዑ ከምዙይ በሎም፦ “እቲ ፀሎትኩም ናብኡ ኸቕርበልኩም ዝለኣኽኩምኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐሚጥኩምስ፥ ክሃንፀኩም እምበር፥ ኣየፍርሰኩምን እየ፤ ክተኽለኩም እምበር፥ ኣይነቕለኩምን እየ። በቲ ዝገበርኩኹም ክፉእ ነገር የመና ተናሲሐ ኣለኹ። ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩም ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ንንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርሕዎ፤ እወ፥ ኣይትፍርሕዎ፥ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኽምሕረኩም እየ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኸም ዝምሕረኩምን፥ ናብ ሃገርኩም ከም ዝመልሰኩምን ክገብር እየ።’ “ግና ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዘዝኩም እሞ ‘ኣይፋልናን፤ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላ፥ ድምፂ መለኸት ዘይንሰምዐላ፥ እንጀራ ዘይንጠምየላ ሃገር ግብፂ ግዒዝና ኽንቅመጥ ኢና እምበር፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣስ ኣይንቕመጥን’ እንተ በልኩም፥ ኣቱም ተረፍ ቤት ይሁዳ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ናብ ግብፂ ኽትከዱ ገፅኩም እንተ መሊስኩም፥ ኣብኣ ኽትቅመጡውን እንተ ግዒዝኩም፥ እቲ እትፈርሕዎ ውግእ ክበፅሐኩም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ እቲ እትፈርሕዎ ጥሜት ክስዕበኩም እዩ፤ ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም። ኵሎም እቶም ኣብ ግብፂ ኸይዶም ክቕመጡ፥ ገፆም ናብ ግብፂ ዝመለሱ ሰባት ኣብኡ ብዂናት፥ ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሞቱ እዮም፤ ካብኣቶም ከዓ ኻብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓት ሓደ እኳ ኣይተርፍን፤ ኣየምልጥን እውን እዩ።” ኣምላኽ እስራኤል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ከምቲ ቝጥዓይን መዓተይን ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተኹም፥ ቍጥዓይ ናባኻትኩም ክፈስስ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ክትኮኑ ኢኹም። ብድሕሪዙይውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይትርእይዋን ኢኹም፤ ይብል። “ኣቱም ተረፍ ቤት ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ናብ ግብፂ ኣይትኺዱ ኢሉኩም እዩ፤ ኣነውን ሎሚ ኣጠንቅቐኩም ከም ዘለኹ ብርግፅ ፍለጡ። ‘ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀልየልና፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ንገረና፥ ንሕናውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፥ ንባዕልትኹም ኣታለልኩም። እምበኣርከስ ሎሚ ኣፍሊጠኩም ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ግና ነቲ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ልኢኹኒ ዝነገርኩኹም ቃል ኣይተኣዘዝኩምን። ስለዙይ ኣብታ ኽትቅመጥዋ ኢልኩም ክትከድዋ እትደልዩ ዘለኹም ቦታ ብዂናትን፥ ብጥሜትን፥ ብፌራን ከም እትሞቱ ብርግፅ ፍለጡ።” ኤርሚያስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንኣኣቶም ክነግሮም ዝለኣኾ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ነቶም ህዝቢ ተናጊሩ ምስ ወድአ፥ ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ። ስለዙይ ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ኾነ፥ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊት ኮኑ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ “ኣብ ሃገር ይሁዳ ተቐመጡ” ዝበሎም ቃል እግዚኣብሄር ኣይሰምዕዎን። ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ኻብተን ተቐሚጦምወን ዝነበሩ ሃገራት ዝተመለሱን፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስኣቶም ንግብፂ ወሰድዎም። ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን፥ ኵሎም እቶም ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ምስ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ሓዲግዎም ዝነበሩን ወሰድዎም። ምስኣቶምውን ንኤርሚያስን ንባሮክ ወዲ ኔርያን ወሰዱ። ንቓል እግዚኣብሄር ኣይሰምዑንሞ ናብ ግብፂ ኣተዉ፤ ክሳዕ ጣፍናስ ከዓ በፅሑ። ሽዑ ኣብ ጣፍናስ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። “ዓበይቲ ኣእማን ውሰድ እሞ ናይ ኣይሁድ ሰባት እናረአዩኻ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ መእተዊ ቤት ፈርዖን ብኢድካ ሕብኣየን። ሽዑ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፦ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምፅኦ እየ፤ ንዙፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ኣነ ዝሓባእኹወን ኣእማን ከንብሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ንድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊአን ክዝርግሖ እዩ። ንሱ ኽመፅእ እዩ፤ ንሃገር ግብፂ ኸዓ ኽወቕዓ እዩ። ሽዑ እቲ ዝመውት ንሞት፥ እቲ ዝማረኽ ንምርኮ፥ እቲ ዝስየፍ ንሰይፊ ኽውፈ እዩ። ኣብ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኸቃፅሎምን ክማርኾምን እዩ። ጓሳ ኽዳኑ ኸም ዝኽደን ንሱውን ንግብፂ ክኸድና እዩ። ካብኣውን ብደሓን ክወፅእ እዩ። ንሱ ነቲ ኣብ ቤት ሳሚስ ዘሎ ሓወልትታት ግብፂ ኽሰባብሮ እዩ። ንኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂውን ብሓዊ ኸቓፅሎ እዩ።” እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማታት ሚግዶል፥ ጣፍናስ፥ ሜምፎስ፥ ጳትሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኵሉ እቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ዘምፃእኽዎ ኽፉእ ነገር ርኢኹምዎ ኣለኹም። እንሆ ኸዓ፥ ክሳዕ ሎሚ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዝነብረለን ዘየለ ኾይነን ኣለዋ። እዙይ ዝኾነ ኸዓ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ ብሰንኪ እቲ፥ ንሳቶም ኮነ ንስኻትኩም ወይ ኣቦታትኩም ዘየምለኽዎም፥ ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣቶም እዩ። ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም። ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ኣይሓደጉን፥ ካብ ክፍኣቶምውን ኣይተመለሱን፥ ኣይተኣዘዙንውን፤ ኣእዛኖም ከዓ ፅን ኣየበሉን። ስለዙይ ድማ ቝጥዓይን መዓተይን ፈሰሰ፤ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ድማ ነደደ። ንሳተን ድማ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይነናኦ ዘለዋ ፈረሳ፤ ዑናውን ኮና። “ሕዚ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመፃእኹምዋ ሃገር ግብፂ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም፥ ብግብሪ ኣእዳውኩም ስለ ምንታይ ተቘጥዑኒ ኣለኹም? ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ህፃንን ሓደ እኳ እንተይተረፈ ኻብ ማእኸል ይሁዳ ኽተፅንቱ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መፃረፍን ኴንኩም ክትተርፉ ኢኹም፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ርእስኹም ክንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ኽፍኣት እትፍፅሙ? ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርዎ፥ ክፍኣት ኣቦታትኩምን ክፍኣት ነገስታት ይሁዳን ክፍኣት ኣንስቶምን ኽፍኣትኩምን ክፍኣት ኣንስትኹምንዶ ረሲዕኹምዎ ኢኹም? ግና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተዋረዱን፤ ኣይፈርሑንውን፤ በቲ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይከዱን። “ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንመዓትን ንዅሉ ይሁዳ ንምጥፋእን፥ ገፀይ ኣብ ልዕሌኹም ክገብር እየ። እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ክቕመጡ ኢሎም፥ ናብኣ ዝኸዱ ተረፍ ይሁዳ ዅሎም ክጠፍኡ እዮም፤ ኣብ ሃገር ግብፂ ኽወድቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም፤ ካብ ንኡስ ክሳዕ ዓብዪ ብሰይፊ ወይ ብጥሜት ክጠፍኡ እዮም። ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ከዓ ክኾኑ እዮም። ከምቲ ንኢየሩሳሌም ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ዝቐፃዕኽዋ፥ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጦም ዘለዉ ኽቐፅዖም እየ። ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።” ሽዑ ዅሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዝዓጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን፥ ኵለን እተን ኣብኣ ቖይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ጳጥሮስ ዝቕመጡ ህዝብን፥ ዓብዪ ጉባኤ ኾይኖም ንኤርሚያስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና። ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና። ግና ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ፥ ንኣኣ ምፍሳስን ምስ ሓደግና፥ ኵሉ ነገር ሰኣንና፤ ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።” እተን ኣንስቲ ኸዓ ወሲኸን “ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን እንተለና፥ መስዋእቲ መስተውን ኽነፍስሰላ እንተለና፥ ነቲ ኸም ምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጀራን፥ መስዋእቲ መስተን ክነቕርበላ እንተለና፥ ሰብኡትና እንተይፈለጡዶ ኢና ዝገበርናዮ” በላ። ሽዑ ኤርሚያስ ንዅሎም ነቶም ከምዙይ ኢሎም ዝመለሱሉ ህዝብን፥ ሰብኡትን ኣንስትን ከምዙይ፥ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን ኣሕሉቕኩምን ህዝቢ እታ ሃገርን፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝዓጠንኩምዎ ዕጣን፥ እግዚኣብሄር ዝዘከሮ ኣብ ልቡውን ዘንበሮዶ ኣይኮነን? እግዚኣብሄር ከዓ ብሰንኪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰንኪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ሃገርኩም ከምዝ ሎሚ ኾይናቶ ዘላ፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ባዲማ መሰክሕን መራገምን ኮነት። ንጣዖት ዕጣን ስለ ዝዓጠንኩምን፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ እዝ ክፉእ ነገር ወረደኩም።” ኤርሚያስ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝብን፥ ንዅለን ኣንስትን፥ ኣብ ሃገር ግብፂ እትነብሩ ዅልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦ “ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ኽነፍስሰላ፥ ዝተመባፃዕናዮ መብፅዓና ብርግፅ ክንፍፅሞ ኢና’ ኢልኩም ብኣፍኩም ተዛረብኩም፤ በእዳውኩም ከዓ ፈፂምኩምዎ ኢኹም፤ ሕራይ፥ መብፅዓኹም ግበሩ፤ መብፅዓኹም ፈፅሙ። ኵልኻትኩም ኣቱም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጥኩም ዘለኹም ሰብ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ እንሆ፥ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ!’ ኢሉ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕሪዙይ ከይሰሚ፥ በቲ ዓብዪ ስመይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ኣነ ንድሕነት ዘይኮነ ንኽፍኣት እተግሀሎም ኣለኹ። ኵላቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩ ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝሃልቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ፈፂሞም ክውድኡ እዮም። ውሑዳት ሰባት ግና ኻብ ሰይፊ ኣምሊጦም፥ ካብ ሃገር ግብፂ ናብ ሃገር ይሁዳ ኽምለሱ እዮም። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብኣ ኽቕመጡ፥ ናብ ሃገር ግብፂ ዝመፁ ተረፍ ይሁዳ፥ ቃለይ ወይ ቃሎም ኣየናይ ከም ዝፀንዕ ክፈልጡ እዮም። እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ከምቲ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ፀላኢኡን፥ ንነፍሱ ዝደሊ ዝነበረን ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንፈርዖን ሆፍራ ንጉስ ግብፂ ኣብ ኢድ ፀላእቱን፥ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሱ ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ባሮክ! ንስኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ሕማመይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩሞ ወይለይ! ካብዙይ ዝተልዓለ ደኺመ ኣለኹ፤ ዕረፍቲውን የብለይን’ ኢልካ ኢኻ። “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ነቲ ዝሰራሕኽዎ ኣፍርሶ፤ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸዓ እብቍሶ ኣለኹ። ነዙይ ከዓ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኽገብሮ እየ። እሞኸ ንስኻ ንርእስኻዶ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣለኻ? እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ መዓት ከውርድ እየሞ፥ ኣይትድለዮ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ግና ኣብ ኵሉ እትኸዶ፥ ንነፍስኻ ኸም ምርኮ ገይረ ኽህበካ እየ።” ብዛዕባ ኣህዛብ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ። ብመጀመርታ ብዛዕባ ግብፂ፤ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ብዛዕባ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርዖን፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ዝተነግረ መልእኽቲ እዙይ እዩ፦ ንውግእ ኸዓ ተሰለፉ፤ ድርዒ እውን ልበሱ። ብዅሉ ወገን ራዕዲ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሰንከልከል በሉ፤ ወደቑውን። ከም ጋሻ ውሕጅ ዝፈስስ መን እዩ? ከጥፍኦም እየ፤ ይብል ኣሎ። ቀስቲ ዝሕዙን ዝግትሩን ሉዳውያን ይውፅኡ። መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ። ኣየሕውየክን እዩ። ክልቲኦም ድማ ሓቢሮም ይወድቁ። ኣብ ቦታኻትኩም ቁሙ፤ ተዳለዉውን። ክቖሙ ኣይከኣሉን። ናብ ህዝብናን ናብታ ዝተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ ተበሃሃሉ። ጊዜኡ ዘሕለፈ ተዛሃሪ ኢሎም ፀውዕዎ። ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር። ተማሪኽኪ ክትከዲ ኢኺሞ ኣሕሉቕኪ ኣዳልዊ። ካብ ወገን ሰሜን ክመፃ እዩ። ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን። ምሳር ሒዞም ክመፅዋ እዮም፤ ካብ ኣንበጣ ዝበዝሑ እዮም። ንህዝቢ ሰሜንውን ሓሊፋ ተውሃበት። ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ንኣሞን ኣምላኽ ቴብስ፥ ንግብፂ ኸዓ ንኣማልኽታን ንነገስታታን፥ ከምኡውን ነቶም ብፈርዖን ንጉስ ግብፂ ዝእመኑን ክቐፅዖም እየ። ኣብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩ፥ እወ፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ሰራዊቱን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ግና ግብፂ ሰብ ዝነብረላ ሃገር ክትከውን እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ዝኾነ ዘፍርሖውን ኣይህሉን። ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።” ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምውን ከእውዩ እዮም። ኣእዳዎም ደኺመን ወለል ክብላኦም እየን። ተረፍ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ። ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሰብነትኩም እትፅሕብሩ? ናብ ሰገባኻ ተመለስ፤ ዕረፍ ህዳእ። ከመይ ኢልካ ስቕ ትብል?” ሚስጋብ ሓፈረት፤ ደንገፀትውን። ሰይፊ እውን ክስዕበኪ እዩ። ዝብል ኣውያት ይስማዕ ኣሎ! ደቃውን ኣውያት የስምዑ ኣለዉ። ድምፂ ጥፍኣትን መሪር ኣውያትን ሰምዑ። ኣብ ምድረ በዳ ኸም ዘሎ ቘጥቋጥ ኩኑ። ተማሪኹ ክኸይድ እዩ። ክበርስ እዩ። ክባድማ እየን። ዝተረገመ ይኹን። “ሞኣብ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ሕንቅቕቲ ነበረት፤ ካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸም ዘይተገላበጠ ወይኒ ድማ ዝግ ዝበለት ነበረት፤ ኣብ ልዕሊ ሓተላኣውን ዓረፈት፤ ናብ ምርኮ ድማ ኣይከደትን፤ ስለዙይ ጣዕማ ኣየጥፍአትን። መዓዛኣውን ኣይተለወጠን። እንሆ፥ ኣነ ዘጋላብጥዋ ዝልእኸሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሳራሙኣ ኸዕርቑ፥ ንሳቶምውን ከገላብጥዋ፥ ኣጋንኣ ጥራሑ ኽገብሩ፥ መዕረቒታታ ኽሰባብሩ እዮም። ሽዑ ኸምቲ ህዝቢ እስራኤል፥ ይእመንዎ ብዝነበሩ ቤቴል ከም ዝሓፈሩ፥ ሞኣባውያን ከዓ ኸምኡ ብካሞሽ ክሓፍሩ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም? ይብል ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነ ንጉስ። መከራኣ ኸዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ። እቲ ኽቡር ዘንጊኸ ኸመይ ኢሉ ተሰበረ? ኢልኩም ብኸዩላ። ካብቲ ኽቡር ስፍራኺ ወሪድኪ ኣብ ፅምኣት ተቐመጢ። እንታይ ወሪዱ እዩ ኢልኪ ጠይቒ። ሞኣብ ከም ዝፈረሰት ኣብ ኣርኖን ኣውርዩ።” “እተን ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ልዕሊ ሆሎን፥ ኣብ በያሳ፥ ኣብ ሜፍዓት፥ ኣብ ዲቦን፥ ኣብ ናባው፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ዲብላታይም፥ ኣብ ቂርያታይም፥ ኣብ ቤት ጋሙል፥ ኣብ ቤት ምዖን፥ ኣብ ቂርዮት፥ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብ ዝረሓቓን ዝቐረባን ኵላተን ከተማታት ሞኣብ መቕፃዕቲ መፂኡ እዩ። ቀርኒ ሞኣብ ተቘሪፁ እዩ፤ ኢዳውን ተሰቢሩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ “ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኰሪዑ እዩሞ፥ ኣስክርዎ። ኣብ ትፍአቱውን ይንከባለል፤ መስሓቒውን ይኹን። ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤልዶ ተባጩ ኣይነበርካን? ብዛዕባኡ ኽትዛረብ እንተለኻ ርእስኻ እትንቕንቕስ፥ ኣብ ማእኸል ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ? ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፥ ካብተን ከተማታት ውፁ፤ ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ። ሞኣብ ዕቡይ፥ ምኩሕ፥ ፍኽኑን፥ ኵሩዕ፥ ደፋር፥ ሕቡን ምዃኑ ሰሚዕና ኣለና። ቍጥዓኡ እንታይ ከም ዝኾነ ኣነ ፈሊጠዮ ኣለኹ፤ ዛህራኡውን ከንቱ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ፈኸራኡ ኸንቱ እዩ። ስለዙይ ንህዝቢ ሞኣብን ንሰብ ቂርሄሬስን አልቅሰሎምን እበኽየሎምን ኣለኹ። ኦ ወይኒ ሴባማ! ኻብ ንኢያዜር ዝበኸኹሎም ኣብሊፀ ንኣኺ ኽበኽየልኪ እየ። ጨናፍርኪ ባሕሪ ተሳጊሩ፥ ክሳዕ ባሕሪ ኢያዜር በፅሐ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ቀውዒ ወይንኽን መፀ። ካብቲ ፈራዪ ገራሁን ካብ ሃገር ሞኣብን፥ ፍስሃን ደስታን ጠፍአ። ወይኒ ኻብ መሐምተሊኡ ኸም ዘይወርድ ገበርክዎ። ደጊም ወይኒ ብዕልልታ ኣይፅመቝን እዩ፤ እቲ ዕልልታኦምውን ዕልልታ ኣይኮነን። ማይ ኔሞሬም ከዓ ምድሪ ኣፃምእ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣውያት ህዝቢ ሓሴቦንን ኤልያሊና ኽሳዕ ያሃፅ፥ ካብ ዞኣር ክሳዕ ሖሮናይም፥ ክሳዕ ዔግላት ሺልሺያ ኽስማዕ እዩ። ኣነ ኻብ ሞኣብ ኣብ ኰረብታ ንዝሰግዱን፥ ንኣማልኽቶም ንዝዓጥኑን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። “ስለዙይ ልበይ ንሞኣብን ንሰባት ቂርሄሬስን፥ ከም እምብልታ ይቝዝም። ዘዋህለልዎ ንብረት ጠፊኡ እዩሞ። ስለዙይ ርእሲ ዅሉ ተላፅዩ፥ ኵሉ ጭሕሚ ተቘሪፁ፥ ኵላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፤ ኣብ ሕቘታት ድማ ኸሊ ኣሎ። ንሞኣብ፥ ደስ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፥ ሰባቢረያ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታትን ብኽያት ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣየ ሞኣብ ከመይ ኢላ ተስዓረት? ኢሎም የልቅሱ ኣለዉ፤ ከመይ ኢላኸ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት? ሞኣብ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ፥ ንመላገፅን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኸም ንስሪ ይነፍር፥ ኣብ ልዕሊ ሞኣብውን ኣኽናፉ ይዝርግሕ ኣሎ። ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ። ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዓቢዩሉ እዩሞ፥ ህዝቢ ኻብ ምኳን ክጠፍእ እዩ። ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ ዘለኹም፥ እግዚኣብሄር ከም ዝበሎ፥ ፍርሓትን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኹም ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ንሞኣብ ዝቐፅዐሉ ዓመት ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ኻብ ፍርሓት ዝሃድም ናብ ጕድጓድ ክወድቕ፥ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። እቶም ሃደምቲ ደኺሞም ኣብ ፅላል ሓሴቦን፥ ቆይሞም ኣለዉ። ሓዊ ኻብ ሓሴቦን ሃልሃልታ ድማ ኻብ ማእኸል ሴዎን ክወፅእ እዩ እሞ፥ ነቲ ጎቦታት ሞኣብን፥ ነቲ ርእሲ ዋዕዋዕ ዝብሉ ደቅን ከቃፅል እዩ። ኣታ ሞኣብ፥ ህዝቢ ካሞሽ ጠፊኡ እዩ፤ ኣወዳትካ ተማሪኾም፥ ኣዋልድካ ኸዓ ኣብ ምርኮ ኸይደን እየን እሞ ወይለኻ! ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ግና፥ ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሞኣብ ዝወርድ ፍርዲ ኽሳዕ እዙይ እዩ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ኣሞን ዝበሎ እዙይ እዩ፦ “ንእስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ? ወረስቲኸ የብሉን ድዩ? ስለ ምንታይ ድኣ እቲ ሚልኮም ንጉሶም ንጋድ ዝወረሳ? ህዝቡ ኸዓ ኣብ ከተማታቱ ንምንታይ ተቐመጡ? ይብል እግዚኣብሄር።” ግና ኣብ ረባት ከተማ ደቂ ኣሞን ድምፂ ውግእ ዘስምዐሉ ጊዜ ይመፅእ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ኽትዓኑ እያ፤ እተን ኣዋልዳ ብሓዊ ኽቓፀላ እየን። ሽዑ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ። ኣቲ ሓሴቦን፥ ጋይ ፈሪሳ እያ እሞ፥ ኣእውዪ። ኣትን ኣዋልድ ረባት፥ ከሊ ተዓጠቓ፥ ዋይ ዋይ በላ። ሚልኮም ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን ሓቢሩ ኽማረኽ እዩ እሞ፥ ኣብቲ መካበብያ እናዞርክን ኣልቅሳ። ኣቲ መንዩ ዝመፀኒ ኢልኪ፥ ብመዝገብኪ ዝተኣመንኪ ጠላሚት ጓል፥ ስለ ምንታይ ብማይ ብዝፀገቡ ልሙዕ ለሰታትኪ ትምክሒ ኣለኺ? እንሆ፥ ካብ ኵሉ ኸባቢኺ ፍርሓት ክሰደልኪ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ነቶም ዝሃደሙ ድማ ዝእክቦም የለን። ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ኸድሕን ክሃድም እዩ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ “ጥበብዶ ኻብ ቴማን ጠፊኡ እዩ? ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ርሒቑ እዩ? ጥበቦምከ ኸንቱ ኾይኑ ድዩ? ኣነ ንደቂ ኤሳው ዝቐፅዐሉ ጊዜ ስለ ዝበፅሐ፥ ጥፍኣት ከውርደሉ እየ እሞ፥ ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ ህዝቢ፥ ንድሕሪት ተመሊስኩም ህደሙ። ኣብ ዓሚቍውን ተሓብኡ። ኣከብቲ ወይኒ እንተ መፁኻ ቐሪምዶ ኣይሓድጉን? ሰረቕቲኸ ብለይቲ እንተ መፁ ዝደለይዎ ወሲዶም ኣይሓደጉልካንዶ? ኣነ ግና ንኤሳው ቀላዕኽዎ፤ ንመሕብኢኡ ድማ ገለፅክዎ፤ ክሕባእ ከዓ ኣይኽእልን እዩ። ዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ክጠፍኡ እዮም፤ ንሱውን ድሕሪዙይ ኣይህሉን እዩ። ንደኽታማትካ ሕደጎም፤ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ፤ መበለታትካውን ኣባይ ይተኣመና።” እንሆ እምበኣር “እቶም ነታ ፅዋዕ መቕፃዕቲ ኽሰትዩዋ ዘይግብኦም ሰትዮምዋ እዮም። ብሓቂዶ እንተይተቐፃዕኻ እትተርፍ ይመስለካ? እንተይተቐፃዕኻ ኣይትተርፍን ኢኻ። ብርግፅ ክትሰቲ ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ባሶራ መገረምን መፃረፍን መራገምን ከም እትኸውን፥ ኵለን ከተማታታ ንዘለኣለም ከም ዝባድማ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” “ካብ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ሰሚዐ ኣለኹ። ‘ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ንዑ ንውግእ ድማ ተልዓሉ!’ ዝብል ልኡኽ ተልኢኹ እዩ። እንሆ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዝተሓትካ፥ ብሰባትውን ዝተንዓቕካ ገይረካ ኣለኹ። ኣታ ኣብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕ እትነብር፥ ርእሲ እምባውን እትሕዝ፥ ድፍረትካን ኵርዓትካን ኵርዓት ልብኻን ኣታሊሉካ፤ ቤትካ ኸም ንስሪ ኣብ ልዑል ቦታ እንተ ሰራሕኻ እኳ፥ ካብኡ ናብ ታሕቲ ኸፅድፈካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” “ኤዶምያስ መገረሚት ክትከውን እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ብኣኣ ዝሓልፍ ድማ ኽግረም እዩ፤ ስለ እቲ ዅሉ ዝወረዳ መቕሰፍቲ እውን ክስክሐላን ክፋፅየላን እዩ። ከምቲ ሰዶምን ገሞራን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን ዝተገልበጣ፥ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን፤ ወዲ ሰብውን ሓደ እኳ ኣይሰፍርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ? ስለዙይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ዝመኸሮ ምኽርን፥ ነቶም ኣብ ቴማን ዝነበሩ ሰባት፥ ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ። ኣናእሽቱ መጓሰታቶምውን እንተይተረፈ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ብርግፅ ንሰፈሮም ዑና ኽገብሮ እዩ። ካብ ድምፂ ኣወዳድቓኣቶም ዝተልዓለ ምድሪ ተናወፀት፤ ድምፂ ኣውያቶም ድማ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ተሰምዐ። እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።” ብዛዕባ ደማስቆ፥ “ክፉእ ወረ ስለ ዝሰምዓ ሃማትን ኣርፋድን ሓፈራ፤ መኸኻውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እውን ሓዘን ኣሎ፤ ክሃድኣውን ኣይከኣላን። ደማስቆ ዛሕተለት፤ ክትሃድም ድማ ዘወር በለት፤ ከም እትወልድ ሰበይቲ እውን ጭንቕን ፃዕርን ሓዛ። እታ ንእድቲ ኸተማ፥ እታ ናይ ሓጐሰይ ከተማ፥ ብኸመይ እያ ዘይተሓድገት? ስለዙይ ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቑ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጀጋኑኣውን ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣብ መካበብያ ደማስቆ ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንሱውን ንኣዳራሻት ወዲ ኣዴር ከባርዖ እዩ።” ብዛዕባ ቄዳርን ብዛዕባ እቶም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮም መንግስታት ኣሶርን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተስኡ ናብ ቄዳርውን ደይቡ፤ ነቶም ደቂ ምብራቕውን ኣጥፍእዎም። ንድንኳናቶምን መጓሰታቶምን ክወስድዎ እዮም፤ ንመጋረጃኦምን ንዅሉ ኣቑሑኦምን ነግማሎምን ክዘምቱ እዮም፤ ነቶም ህዝቢ እውን ‘እንሆ፥ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ራዕዲ ኣርከበኩም’ ኢልኩም ንገርዎም። “ኣቱም ኣብ ኣሶር እትነብሩ፥ ንጉስ ባቢሎን ክፉእ ምኽሪ መኺሩልኩምን ሃቂኑልኩምን ኣሎ እሞ፥ ህደሙ፤ ቀልጢፍኩም ረሓቑ፤ ኣብ ዓሚቝ ተሓብኡ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዙይ ከዓ ይብል ኣሎ፦ ‘ተስኡ ነዞም መቺይዎምን ሃዲኦምን፥ ደገን መዓፁን መሸጐርን ኣብ ዘይብሎም፥ በይኖምውን ኣብ ዝነብሩ ህዝቢ ውፁ’ ይብል እግዚኣብሄር።” “ኣግማሎም ክዝመቱ፥ ኵለን መጓሰኦም ክማረኻ እየን። ንዅሎም እቶም ወሰና ወሰን ፀጕሮም ዝላፅዩ ሰባት፥ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ብዅሉ ወገን ድማ መዓት ክሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣሶር ድማ ሰፈር ወኻሩ ኽሳዕ እትኸውን ንዘለኣለም ከባድማ እየ። ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን እዩ። ወዲ ሰብ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይነብርን እዩ።” ብንጉስ ይሁዳ ብሴዴቅያስ ዘመነ መንግስቲ መጀመርታ ብዛዕባ ዔላም ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ። “እንሆ ናይ ሓይሎም መሰረት ንዝኾነ ቐስቲ ዔላም ክሰብር እየ። ንዔላም፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ፥ ንፋስ ክሰደላ እየ፤ ንህዝባ ኸዓ ናብ ኵሉ መኣዝናት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ካብ ዔላም ዝተሰደዱ ሰባት ዘይብላ ሃገር ድማ ኣይትህሉን እያ። ንህዝቢ ዔላም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ከም ዝርዕዱ ኽገብሮም እየ፤ መዓት ጓህሪ ቝጥዓይ ከውርደሎም፥ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከዓ ድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ዙፋነይ ከዓ ኣብ ዔላም ክተክል እየ፤ ንነገስታቶምን ንኣሕሉቖምውን ከጥፍኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንህዝቢ ዔላም ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸተማ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነቢይ ኤርሚያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ። “ንባቢሎን ከጥፍእዋ ህዝቢ ብወገን ሰሜን ተልዒሎምዋ ኣለዉ እሞ፥ ነታ ሃገር ከባድማ እዩ። ሰብ ኮነ እንስሳ ካብኣ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ኣብኣ ዝነብር ኣይህሉን እዩ።” “በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ሓቢሮም ክመፁ እዮም፤ እናበኸዩ ክኸዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ክደልዩ እዮም። ናብ ፅዮን ዝወስድ መንገዲ ኽጥይቑ እዮም፤ ገፆም ናብኣ ኣቕኒዖም ከዓ ክኸዱ እዮም፤ ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ፥ ምስ እግዚኣብሄር ንእቶ ኽብሉ እዮም። “ህዝበይ፥ ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኾኑ፤ ጓሶቶም ኣጋገይዎም፤ ንሳቶም ኣብ እምባታት ኰለል ከም ዝብሉ ገበርዎም። ካብ እምባ ናብ ኰረብታታት ከርተት በሉ፤ መሕደሪኦምውን ረስዑ። ኵሎም ዝረኸብዎም በልዕዎም፤ ፀላእቶም ድማ፦ ንሳቶም ንመሕደሪ ፅድቂ እግዚኣብሄር፥ ንተስፋ ኣቦታቶም ኣብ እግዚኣብሄር በዲሎም እዮም እሞ፥ ንሕና ኣይበደልናን በሉ። እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎን ብወገን ሰሜን፥ ብዙሓት ብርቱዓት ህዝብታት ከተስአላ እየ፤ ንሳቶም ተሰሊፎም ክወግእዋ እዮም፤ ክስዕርዋ ኸዓ እዮም። ፍላፃታቶም ከምቲ ናይ ጅግና ተዋጋኢ ሓደ እኳ ኣይስሕትን። ምድሪ ባቢሎን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፤ ኵላቶም ዘመትታ ኸዓ ብዘመተ ኽፀግቡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።” “ኣቱም ንርስተይ እትዘምቱ፥ ንስኻትኩም ከምተን ዓውዲ ዘኺዳ ኣርሕታት ስለ እተሰራሰርኩም፥ ከም ብርቱዓት ኣፍራስ እናሓምሐምኩም ስለ ዝተሓጐስኩምን ዝተፈሳሕኩምን፥ እኖኹም የመና ኽትሓፍር፥ ወላዲትኩምውን ክትዋረድ እያ፤ ካብ ኵሉ መንግስታት ዝሓመቐት ክትከውን እያ፤ በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ። ካብ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ዅላ ኽትባድም እያ እምበር፥ ድሕሪዙይ ኣብኣ ዝነብር የለን። ኵሉ ብባቢሎን ዝሓልፍ ከዓ በቲ ዝወረዳ መቕሰፍቲ ኽግረምን ከላግፀላን እዩ። “ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዅልኻትኩም፥ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉ። ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ገይራ እያ እሞ፥ ሓደ እንተየትረፍኩም ፍላፃታት ወርውሩላ። ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ። ዘርኢ ዝዘርእ ኮነ፥ ዓፂድ ዝዓፅድ፥ ኣብ ምድሪ ባቢሎን ከም ዘይነብር ግበሩ። ኵሉ ኣብኣ ዝነብር ዝነበረ፥ ዘጥፍእ ሰይፊ ፈሪሑ፥ ናብ ህዝቡ ኽሃድም እዩ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እስራኤል ኣናብስ ዘሳጐጕዋ፥ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር ሰላሊዑ በልዓ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምታ ቘረጣጠመ። ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐፃዕኽዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐፅዕ እየ። ንእስራኤልውን ናብ መውፈሪኡ ኽመልሶ እየ፤ ኣብ እምባ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን፥ ክዋፈር እዩ፤ ሰብነቱውን ኣብ እምባ ኤፍሬምን፥ ኣብ ገለዓድን ክትፀግብ እያ። ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ በደል እስራኤልን ሓጢኣት ይሁዳን ክድለ እዩ፤ ግና ኣይርከብን።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናብ ምድሪ ሞራታይምን፥ ናብቶም ኣብ ፋቁድ ዝነብሩን ውፃእ እሞ፥ ቅተሎምን ኣጥፍኣዮምን። ብዅሉ ድማ ኸምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበር። ድምፂ ውግእን ዓብዪ ዕንወትን፥ ኣብታ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። ናይ ኵሉ ምድሪ መዶሻ ኸመይ ተሰብረት! ባቢሎንከ ኸመይ ደቐቐት! ኣብ ማእኸል ህዝቢ ኸዓ ኸመይ ዝባደመት ኮነት። ኦ ባቢሎን፥ መፈንጠር ዘርጊሐልኪ፤ በቲ ዘፃወድክዎ መፈንጠር ከዓ እንተይፈለጥኪ ተትሒዝኪ ኢኺ፤ ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ ዝተዋጋእኺ እሞ፥ ተረኸብክን ተትሓዝክን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ሃገር ባቢሎን ዝገብሮ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኣፅዋሩ ዘቕምጠሉ ቤት ከፈቶ፤ ንኣፅዋር ቍጥዓኡውን ኣውፅኦ። ብዅሉ ወገን መፂእኹም ውረርዋ፤ ማዕኸናታ ኽፈቱ፤ ነቲ ዝዘመትኩምዎ ኸም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዎ። ፈፂምኩም ድማ ኣጥፍእዋ፤ ሓንቲ እኳ ኣይተትርፉላ። ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!” ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን፥ ንናይ ቤተ መቕደስን ሕነ፥ ኣብ ፅዮን ክነግሩ ሃዲሞም ካብ ሃገር ባቢሎን ዘምለጡ፥ ድምፂ ሰባት ተሰሚዑ እዩ። ስለዙይ እቶም ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቁ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኵሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። “ኣቲ ትዕቢተኛ ባቢሎን፥ እታ ንኣኺ ዝቐፅዐላ ጊዜ መፂኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣብ ልዕሌኺ ተሲአ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። እቲ ትዕቢተኛ ኽዕንቀፍን ክወድቕን እዩ፤ ዘተስኦ ድማ የብሉን፤ ኣብ ውሽጢ ኸተማታቱ ኸዓ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ኵሉ ኸባቢኡውን ክቃፀል እዩ።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ብሓባር ተገፊዖም እዮም፤ እቶም ዝማረኽዎም ከዓ ብፅኑዕ ሓዝዎም፤ ከይሰድዎም ድማ ኣበዩ። ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ንምድሮም ዕረፍቲ ንምሃብ ተጊሁ ኽማጐተሎም፥ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ግና ዕረፍቲ ክኸልኦም እዩ።” ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቓን ጥበበኛታታን ኣሎ” ይብል እግዚኣብሄር። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑኣ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ኽድንግፁ እዮም። ንወራር እውን ክኾኑ እዮም። ንሳቶምውን ክደርቁ እዮም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ንገሞራን ኣብ ጥቓአን ንዝነበረ ኸተማታትን ዝገልበጠ፥ ኣብ ባቢሎን ሰብ ኣይነብርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። “እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ህዝቢ ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ፥ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ንውግእ ይለዓሉ ኣለዉ። ተሰሊፎም ይመፁኺ ኣለዉ። ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ። “እንሆ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ናብቲ ፅኑዕ እምባ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኻብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ ዝሓረኽዎ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ክሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ? ቘፀራ ዝገብረለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል ጓሳኸ መን እዩ? ስለዙይ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርን፥ ንሃገር ከለዳውያን ዝሓሰበላ ሓሳብን፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስምዑ፤ ኣናእሽተይ መጓሰኦም እንተይተረፉ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ንመውፈሪኦም ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ። ባቢሎን ክትወድቕ እንተላ ምድሪ ኽተንቀጥቅጥ እያ፤ ኣውያታውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክጋዋሕ እዩ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎንን ነቶም ኣብ ማእኸላ ዝነብሩን፥ ዘጥፍእ ንፋስ ክሰደላ እየ። ንባቢሎን ዝበታትንዋ፥ ንሃገራ ኸዓ ዘባድምዋ ጓኖት ክሰደላ እየ። በታ መዓት ዝወርደላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብዅሉ ወገን ክወርዋን ከባድምዋን እዮም። ኣብ ልዕሊ እቲ ወርዋሪ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቀስቲ፥ ቀስቱ ይገትር። ነጓብዛ ኣይትራህርሁሎም፤ ንዅሉ ሰራዊትውን ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ንሳቶም ኣብ ባቢሎን ተወጊኦም ክወድቁ እዮም፤ ኣብ ኣደባባያታውን ቈሲሎም ክሞቱ እዮም። ምድሮም በቲ ንናይ እስራኤል ቅዱስ ዝበደልዎ በደል እኳ እንተ መልአት፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም፥ ንህዝቢ እስራኤልን ንህዝቢ ይሁዳን ኣይደርበዮምን። እዙይ ጊዜ ሕነ ምፍዳይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ከምቲ ዝገበረቶ ኽፈድያ እዩ፤ ብሰንኪ ዓመፃኣ ኸይትጠፍኡስ፥ ካብ ባቢሎን ህደሙ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነፍሱ የድሕን። ባቢሎን፥ ንዅላ ምድሪ እተስክር ኣብ ኢደይ ከም ዘላ ፅዋዕ ወርቂ ነበረት። ህዝብታታ ከዓ ኻብ ወይና ሰትዮም ዓበዱ። ንሳ ብድንገት ወዲቓ ተሰባበረት። ብኸዩላ፤ ምናልባሽ እንተ ሓወየት ከዓ ንቝስላ ፈውሲ ኣምፅኡላ። ‘ንባቢሎን ፈወስናያ፤ ንሳ ግና ኣይተፈወሰትን። ፍርዳ ኽሳዕ ሰማይ ስለ ዝበፅሐ፥ ክሳዕ ደመናውን ልዕል ስለ ዝበለ፥ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ሃገርና ንመለስ’ በሉ።” “እግዚኣብሄር ንፅድቅና ኣውፂኡልና እዩ፤ ንዑናይ ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ፅዮን ንንገር።” ፍላፃታት ሰሓሉ፤ ዋላቱውን ኣዳልዉ፤ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ከጥፍኣ ስለ ዝሓሰበ፥ ንነገስታት ሜዶን ኣለዓዓሎም፤ እዙይ ናይ እግዚኣብሄር በቀል እዩ፤ ስለ ቤተ መቕደሱውን ክብቀል እዩ። ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ሓለዋ ኣጠንክሩ፤ ሓለውቲ ኣቑሙ፤ ኣድብዮም ዘጥቅዑ ኣዳልዉ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ህዝቢ ኽገብሮ ወሲንዎ ዘሎ ኽፍፅሞ እዩሞ። ኣቲ ብመዛግብቲ ዝበልፀግኪ፥ ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘለኺ፥ እቲ መስፈሪ ስስዐኺ በፂሑ፥ ፍፃመኺውን ቀሪቡ እዩ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንባቢሎን ዝዋግኡ፥ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖም ሰባት፥ ከም ዘምፅአላ ብርእሱ መሓለ። ንሳቶም ከዓ ኣብ ልዕለኺ ኽፍክሩ እዮም። ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዘርግሖም። ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ። ሓሰትን ህይወት ዘይብሎምን እዮም እሞ። ፍርዲ ኽመፆም እንተሎ ኽጠፍኡ እዮም። ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ብኣኺውን መንግስታት ከጥፍእ እየ። ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ጐበዝን ጐርዞን ክሰባብር እየ፤ መኳንንትን ክሰባብር እየ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ፅዮን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብዝፈፀምዎ ኽፍኣት፥ ኣነ ንባቢሎንን ኣብኣ ንዝነብሩ ከለዳውያንን ክፈድዮም እየ። ኣታ ንዅላ ምድሪ እተጥፍእ መጥፍኢ እምባ ናባኻ እየ፤ ኢደይ ዘርጊሐ ኻብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካ፥ ዝተቓፀለ እምባውን ክገብረካ እየ። ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽትኮን ኢኻ እምበር፥ ንመኣዝን ወይ ንመሰረት ዝኸውን እምኒ ኻባኻ ኸቶ ኣይውሰድን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። “ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ፤ ኣህዛብ ኣዳልዉላ፤ ንመንግስታት ኣራራትን ሚኒን ኣስከናዝን ኣኽትቱላ፤ ኣሕሉቕ ሽሙላ፤ ፀጓራት ኣንበጣ ዝመስሉ ኣፍራስ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኣውፅኡ። ኣህዛብን ነገስታት ሜዶንን፥ ኣሕሉቕን ኵላቶም መኳንንታን፥ ኵላ ግዝኣት እታ ሃገርን፥ ኣዳልዉላ። እግዚኣብሄር እቲ ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ ምድረ በዳ ኽገብራ እየ ኢሉ፥ ዝወሰነላ ይፍፅሞ ኣሎሞ፥ ምድሪ ትንቅጥቀጥ ራዕራዕውን ትብል ኣላ። ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም፥ ኣብ ዕርድታቶም ተቐመጡ፤ ሓይሎም ተወዲኡ ኸም ኣንስቲ ኾኑ። መሸጐሪታት እታ ኸተማ ተሰባበረ፤ ኣባይታ ብሓዊ ነደደ። ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዅሉ ወገን ከም ዝተትሓዘት ከውርዩሉ፥ እቲ ሓደ ጐያዪ ናብቲ ሓደ ጐያዪ፥ እቲ ሓደ ልኡኽ ከዓ ናብቲ ሓደ ልኡኽ ክራኸብ ይጐዪ። ፀላኢ ነቲ መሰጋገሪ ሩባ ኸም ዝሓዞ፥ ነቲ ዕርድታትውን ብሓዊ ኸም ዘንደዶ፥ ንሰራዊት ባቢሎን ከዓ፥ ድንጋፀ ኸም ዝወሓጦም ክነግርዎ ይጓየዩ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እታ ጓል ባቢሎን ከም ዝርገፅ ዘሎ ዓውዲ እያ፤ ቁሩብ ፀኒሑ ድማ ቐውዒ ኽመፃ እዩ።” ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን በልዐኒ፤ ከፋፈለኒውን፤ ከም ባዶ ኣቕሓ ድማ ገበረኒ፤ ከም ገበል ከዓ ወሓጠኒ፤ በቲ ዘዝጠዓመ ምግበይ ድማ ኸብዱ መልአ፤ ደርበየኒውን። ኢየሩሳሌም ከዓ፥ “ደመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ዘለዉ ይውረድ” ትብል። ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኽጣበቐልኪ፥ ሕነኺ ድማ ኽፈድየልኪ እየ። ንባሕሪ ባቢሎን ከንፅፎ፥ ንዒላታታ ኸዓ ኸንቅፆ እየ። ባቢሎን ድማ ዅምራ እምንን ሰፈር ወኻሩን፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ መሰክሕን መላገፅን ክትከውን እያ። ሓቢሮም ከም ኣናብስ ክጓዝሙ፥ ከም ኰራዅር ኣናብስ ከዓ ሕኒን ክብሉ እዮም። ምስ ረሰኑ፥ መስተ ኸቕርበሎም እየ፤ ክሕጐሱን ንሓዋሩ ድቃስ ክድቅሱን ክገብሮም እየ። ከቶውን ከይነቕሑ ኸስክሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከም ጡበታትን ማጓሉን ዲበላታትን ናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።” እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሼሻኸ ከመይ ተትሓዘት! እታ ንዅሉ ምድሪ ምስጋና ዝነበረት ከመይ ተወሰደት! ባቢሎን ንኣህዛብ ከመይ ኢላ መስደመሚት ኮነት! ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ደየበ፤ ብርቱዕ ማዕበላቱ ድማ ኸደና። ከተማታታ ሓደ እኳ ዘይነብረለን፥ ብኣኣተንውን ዝሓልፍ ዘይብለን፥ ዝባደማን ንቑፅ ምድረ በዳን ኮና። ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐፅዖ፥ ነቲ ዝወሓጦውን ከትፍኦ እየ፤ ድሕሪዙይ ኣህዛብ ናብኡ ኣይውሕዙን እዮም። ቅፅሪ ባቢሎንውን ክወድቕ እዩ። ኣቱም ህዝበይ፥ ካብ ማእኸላ ውፁ። ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ኻብቲ ጕሁር ቍጥዓ እግዚኣብሄር ርእስኹም ኣድሕኑ። በዝ ዓመት እዙይ ሓደ ወረ ኽውረ፤ በቲ ዳሕረዋይ ዓመት ድማ ኻልእ ወረ ኽውረ፥ ኣብ ሃገር ከዓ ዓመፅ ኽስልጥን፥ ገዛኢውን ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ኽለዓል እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣይሸበር፤ በቲ ኣብታ ሃገር ዝስማዕ ወረ ኸዓ ኣይትፍርሑ። ስለዙይ፥ እንሆ፥ ነቲ ቕሩፅ ጣዖታት ባቢሎን ዝቐፅዐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ኵላ እታ ምድሪ ኸዓ ኽትሓፍር እያ፤ ኵሎም እቶም ዝተሓርዱ ኣብ ማእኸላ ኽወድቁ እዮም። እቶም መጥፋእቲ ኻብ ሰሜን ክመፁዋ እዮም እሞ፥ ሰማይን ምድርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን፥ ብዛዕባ ባቢሎን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ባቢሎን ካብ እስራኤል ተወጊኦም ዝሞቱ ኽወድቁ ከም ዝገበረት፥ ከምኡውን ቅቱላት ኵላ ምድሪ ኣብ ባቢሎን ከውድቑ እዮም።” “ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱ! ደው ኣይትበሉ! ኻብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ። ፀርፊ ሰማዕና እሞ ሓፈርና፤ ጓኖት ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዮም እዮም እሞ፥ ውርደት ንገፅና ጐልበቦ። ስለዙይ እንሆ፥ ኣነ ነቲ ቕሩፅ ጣዖታት ባቢሎን ዝቐፅዐለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተወግኡ ዅሎም ክገዓሩ እዮም። ባቢሎን ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ደየበት፥ ልዕልና ሓይላውን እንተፅንዐት፥ ካባይ መጥፋእቲ ኽመፅዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ዓብዪ ድምፂ ጥፍኣት ይስማዕ ኣሎ። ድምፂ ዓው ዓውታኦም ድማ ይስማዕ ኣሎ። ንዅሉ ኸከም ግብሩ ዝፈዲ ኣምላኽ እዩ። ይብል እቲ ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተብሃለ ንጉስ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።” ሰራያ ወዲ ኔርያ ወዲ ማሕሴ፥ ኣዛዚ ቤት ንጉስ ሴዴቅያስ ነበረ። ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ሰራያ ናብ ባቢሎን ምስኡ ምስ ከደ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ዝኣዘዞ ቓል እዙይ እዩ፦ ኤርሚያስ ንዅሉ እቲ ኣብ ባቢሎን ዝወርድ መዓት ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ባቢሎን ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ሓደ መፅሓፍ ፀሓፎ። ኤርሚያስ ድማ ንሰራያ “ኣብ ባቢሎን ምስ ኣተኻ፥ ኵለን እዘን ቃላት እዚኣተን ድምፅኻ ዓው ኣቢልካ ኣንብበሎም። ከምዙይውን በል፦ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ፥ ሰብ ወይ እንስሳ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣ፥ ንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትገብራ ተዛሪብካ ኢኻ።’ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእኻያ፥ እምኒ እሰረላ፤ ኣብ ማእኸል ፈለግ ኤፍራጥስ ድማ ደርብያ እሞ፥ ቃል ኤርሚያስ ኣብዙይ ይውዳእ። ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዓሰርተ ሓደ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኣሚጣል እትብሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት። ሴዴቅያስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ንጉስ ኢዮኣቄም ዝገበሮ ሓጢኣት ገበረ። ሴዴቅያስ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ። ናቡከደነፆር ከዓ ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ኢየሩሳሌም ዘመተ። ኣብ ዙርያኣ ድማ ሰፈሩ፤ ዕርድታት ሰሪሖም ከዓ ኸበብዋ። እታ ኸተማ ኽሳዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት መንግስቲ ሴደቅያስ ተኸቢባ ነበረት። ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ህዝቢ እታ ሃገር ዝበልዖ ሰኣነ። ሽዑ እታ ኸተማ ጋሕ ኢላ ተኸፍተት። ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ እኳ እንተ ነበሩ፥ ኵላቶም እቶም ተዋጋእቱ ብለይቲ መሊቖም ወፁ፤ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓሊፎም ከዓ፥ ናብ ዓረባ ኣቢሎም ሃደሙ። ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ሰዓብዎ፤ ንሴዴቅያስ ድማ ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ሓዝዎ። ሰራዊቱ ድማ ሓዲጎምዎ ፋሕ በሉ። ንሴዴቅያስ ከዓ ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆር ሽዑ ኣብታ ኣብ ሃማት እትርከብ ሪብላ እትብሃል ከተማ ነበረ። ኣብኣ ኸዓ ንሴዴቅያስ ፈረዶ። ንደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ ኣብኣ ኣብ ሪብላ ቐተሎም። ብድሕሪዙይ ንሴዴቅያስ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፤ ብመቝሕ ነሃስ ኣሲሩ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ኸዓ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንበሮ። ንቤተ መቕደስን ቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንዅለን ዓበይቲ ህንፃታት ብሓዊ ኣባርዐን። እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊት ባቢሎን ከዓ፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዝነበረ መንደቕ ኣፍረሶ። ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንገሊኦም ካብቶም ድኻታት ህዝብን፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስቶም ቅድም ዓሚፆም፥ ምስ ንጉስ ባቢሎን ኣሻርዮም ዝነበሩን፥ ብሓባር ማሪኹ ንባቢሎን ወሰዶም። ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ነቶም መሬት ዘይነበሮም፥ የመና ድኻታት እታ ሃገር እቲኣ፥ ተኸልቲ ወይንን ሓረስቶትን ክኾኑ ሓደጎም። ባቢሎናውያን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣዕማድን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መቐመጢ ኣቑሑን፥ ብነሃስ ዝተሰርሐ ጋብላን ሰባበርዎ፤ ንዅሉ እቲ ነሃስ ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪታትን ካራታትን ሒላባትን ፅዋዓትን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሑ ኣቑሑን ብምሉኡ ወሰድዎ። እቲ ኣዛዚ ዘብዐኛታት፥ ካብ ንፁህ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣፃሕልን መፅሓሪታትን ሒላባትን ድስትታትን ቀዋሚ ቐንዲልን ፅንሃሃትን ፅዋዓትን፥ እዝ ኣዛዚ ሰራዊት ወሰዶ። እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዘስርሖ ኽልተ ኣዕምድን፥ መቐመጢ ኣቑሑትን፥ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣብዑር ዝተቐመጠ ጋብላን፥ ዝተሰርሐሉ ነሃስ የመና ኸቢድ ስለ ዝነበረ ኽምዘን ኣይተኽኣለን። እተን ኣዕምዲ ኽልቲአን ማዕረ ነበራ። ቁመተን ዓሰርተ ሸሞንተ እመት፥ ዙርያአን ዓሰርተ ኽልተ እመት ነበራ። ውሽጠን ጓንጓ እቲ ዝተሰርሐሉ ሓፂን ከዓ ምርጓዱ ኣርባዕተ ኣፃብዕቲ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኽልቲአን ሓሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ ጕልላት ነበረን። እቲ ጕልላት ከዓ ብቕርፂ ዓይኒ ርግብን ሮማንን ዘጌፀ ነበረ፤ እቲ ኻልእ ዓምዲ እውን፥ ናይቲ ሮማን ጌፃጌፅ ወሲኽካ ምስዙይ ሓደ ዓይነት ነበረ፤ ኵሉ ኸዓ ኻብ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ። ኣብ ሓንቲ ዓምዲ ሚእቲ ሮማን ነበራ፤ እተን ሮማናት ብወፃኢ ተስዓን ሽዱሽተን ጥራሕ ይረአያ ነበራ። ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ነቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሰራያን፥ ነቲ ምኽትሉ ዝኾነ ኻህን ሶፎንያስን ነቶም፥ ሰለስተ ሓለውቲ በርን ወሰዶም። ካብታ ኸተማ ኸዓ፥ ንሓደ ነቲ ኣዛዚ እቶም ተዋጋእቲ ዝነበረ ስሉብን፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሸውዓተ መማኽርቲ ንጉስን፥ ነቲ ንህዝቢ እታ ሃገር፥ ንውግእ ዝምልምል ዝነበረ ፀሓፊ ናይቲ ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ፥ ኣብታ ኸተማ ዝተረኽቡ ኻልኦት ስሳ ሰብኡትን ወሰደ። ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ነዚኣቶም ወሲዱ ናብታ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝነበረላ ኸተማ ሪብላ ኣምፅኦም። ንጉስ ባቢሎን ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ሃማት ዘላ ኸተማ ሪብላ ወቒዑ ቐተሎም። በዝ ኸምዙይ ከዓ ይሁዳ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ። ናቡከደነፆር ማሪኹ ናይ ዝወሰዶ ቑፅሪ ህዝቢ እዙይ እዩ፦ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ሰለስተ ሽሕን ዕስራን ሰለስተን ኣይሁድ ማረኸ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት መንግስቱ፥ ሸሞንተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ሰብ ካብ ኢየሩሳሌም ማረኸ። ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት መንግስቱ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊቱ፥ ካብ ይሁዳ ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሰባት ማረኸ። ብምሉኦም እቶም ዝተማረኹ ኣርባዕተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ። ዮርማሮዴክ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ምሕረት ገበረሉ፤ ካብ ቤት ማእሰርቲውን ኣውፅኦ። እዙይ፥ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ፤ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ። ኤዊል መሮዳክ ብፅቡቕ ረአዮ፤ ንመንበሩ ድማ ኻብ መንበር እቶም ምስኡ ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ። ንኢኮንያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኽደኖ ዝነበረ ኽዳን ለወጠሉ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ እንጀራ ይበልዕ ነበረ። ንጉስ ባቢሎን ኵልሻዕ ንኢኮንያን እንተየቋረፀ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ቐለቡ ይህቦ ነበረ። ከመይ ኢላ ተገዛኢት ኮነት? ኵሎም ከዓ ፀላእታ ኾኑ። ኵላቶም እቶም ዘጨንቕዋ ተጨኒቓ ረኸብዋ። ፅዮን መሪርዋ ትሳቐ ኣላ። ደቃ ብፀላኢ ተማሪኾም ተወሰዱ። ቀቅድሚ እቲ ዘሳጕጎም ብድኻም ሃደሙ። ፀላእታ ረአይዋ፤ ብምፍርራሳውን ሰሓቑ። ንሳውን እህህ እናበለት ገፃ ንድሕሪት መለሰት። ኦ እግዚኣብሄር፥ መከራይ ረአ። ኣብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ረአየቶም። ኦ እግዚኣብሄር፥ ተዋሪደ እየሞ ረአ፤ ተመልከትውን። ንዑ ረአዩ፤ ተመልከቱውን።” ኣጥፍአኒ፤ ኵልሻዕውን ኣድከመኒ።” ፀላእተይ ኣሕሊፉ ሃበኒ።” ብመፅመቚ ኸም ዝርገፅ ወይኒ ረገፃ።” ፀላኢ ስለ ዝበርትዐ ድማ ደቀይ ጠፊኦም እዮም።” ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።” ኣጕባዘይን ጐርዞታተይን ተማሪኾም ከዱ።” ምግቢ ኽልምኑ እንተለዉ ኣብ ከተማታት ሃለቑ።” ኣብ ውሽጢ ቤትውን ሞት ኣሎ።” ንሳቶምውን ከምዝ ኸማይ ክኾኑ እዮም።” ከምኡ ድማ ንኣኣቶም ግበሮም።” ኣይዘከራን። ናብ ምድሪ እውን ደርበዮም። ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ነበልባል ሓዊ ነደደ። ንቝጥዓኡ ኸም ሓዊ ኣፍሰሶ። ሓዘንን ብኽያትን ኣብዝሐ። ብናህሪ ቝጥዓኡ ንንጉስን ካህንንውን ኣዋረደ። ብሓይሊ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። ሓቢሮም ድማ ደኸሙ። ነቢያታውን ካብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ራእይ ኣይረኽቡን። ጐርዞታት ኢየሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና። ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዘርገፈ። እናበሉ ንእኖታቶም ይጥይቑ። መንከ ኸሕውየኪ ይኽእል? ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም። ርእሶም እናነቕነቑ ኸዓ የባጭዉልኪ ኣለዉ። ርኢናያውን ይብሉ።” ቀርኒ ፀላእትኺ ልዕል ልዕል ኣበለ። ንመርዓት ዓይንኺውን ኣይተዕርፊ። ብጥምየት ደኺሞም ዘለዉ ህፃናትኪ፥ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ። ካህንን ነቢይንከ ኣብ መቕደስካዶ ይሕረዱ እዮም? ብዘይ ርህራሀውን ሓረድካዮም። ፀላእየይ ወድኦም። ኣሌፍ። ብበትሪ ቝጥዓኡ መከራ ዝረአየ ሰብ ኣነ እየ፤ ናብ ፀልማት መሪሑ ወሰደኒ። ብርግፅ ኵሉ መዓልቲ ደጋጊሙ፥ ኢዱ ኣብ ልዕለይ መለሰ። ነዕፅምተይውን ሰባበሮ። ብሓሙትን ብድኻምን ከበበኒ። ኣብ ፀልማት ኣንበረኒ። ንሞቝሐይውን ኣኽበዶ። ንፀሎተይ መሕለፊ ዓፀወሉ። ንመንገድታተይ ጥውይዋይ ገበሮ። ከም ዝፀናቶ ኣንበሳ ኾነኒ። ሰባበረኒ ኣዕነወኒ እውን። ዕላማ ፍላፃኡ ኸዓ ገበረኒ። ኣብ ውሽጢ ኰላሊተይ ተኸሎ። ምሉእ መዓልቲ መላገፂኣቶም ኮንኩ። ዕረውን ኣፅገበኒ። ብሓመድውን ከደነኒ። ነቲ ሰናይ ረሳዕኽዎ። ብእግዚኣብሄር ዝነበረኒ ተስፋን ጠፊኡ እዩ” በልኩ። ምረትን ሓሞትን ዘክር። ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት። ስለዙይ ድማ ተስፋ እገብር። ርህራሄኡ ኣይውዳእን እዩ እሞ። ተኣማንነትካውን ብዙሕ እዩ። ስለዙይ ብእኡ ተስፋ እገብር” ትብል ኣላ። ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ። ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ። ንሰብ ብንእስነቱ ኣርዑት ምፅዋር ሰናይ እዩ። ስቕ ኢሉ በይኑ ይቀመጥ። ኣፉ ኣብ ውሽጢ ሓመድ የንብር። ንዝወቕዖ መልትሑ ይሃብ፤ ፀርፊውን ይፅገብ። ንዘለኣለም ኣይድርብን እዩ እሞ፤ ከምቲ ብዝሒ ምሕረቱ ይርህርህ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣየምፅእን፤ ኣየጨንቕንውን። ኣብ ትሕቲ እግሩ ንኽረግፆም፥ ኣብ ቅድሚ ልዑል፥ ንሰብ መሰሉ እንትገሃስ፥ ሰብ፥ ፍትሒ እንትጐድሎ፥ ጐይታ ኣይፈቅድን። ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ? ካብ ኣፍ ልዑል ክፉእ ይኹን ፅቡቕ ነገር ኣይወፅእንዶ? ስለ ምንታይ ደኣ የጕረምርም? ኖን። መንገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ። ልብናን ኣእዳውናን ኣብ ሰማይ ናብ ዘሎ እግዚኣብሄር ነልዕል። ንስኻ ኸዓ ይቕረ ኣይበልካልናን።” ሰጐጕካናን ቀተልካናን፤ ኣይራህራህኻልናንውን። ንባዕልኻ ብደመና ኸደንካ። ጐሓፍን ጐድፍን ገበርካና።” ኣብ ልዕሌና ኣፋቶም ከፈቱ። ብሽግርን ብሽብርን ተሳቐና። ካብ ዓይነይ ውሕጅ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።” ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ። ዓይነይ ንነፍሰይ ኣጨነቓ።” ከም ምህዳን ዒፍ ሃደኑኒ። ኣብ ልዕለይውን እምኒ ደርበዩ። ኣነውን ጠፋእኹ ኢለ ነይረ።” ኦ እግዚኣብሄር፥ ስምካ ፀዋዕኹ። ካብ ምስማዕ እዝንኻ ኣይትከልከል። ‘ኣይትፍራሕ’ ድማ በልካኒ።” ንህይወተይ ከዓ ተቤዘኻያ። ፍትሒ ኣውፅአለይ። ኣብ ልዕለይ ዝኣለምዎ ውዲታትን ትፈልጦ ኢኻ። ኣባይ ዝኣለምዎ ውዲቶምን ሰሚዕኻዮ ኣለኻ። ክፍኣት ከዓ ይመኽሩለይን ኣለዉ። ኣብ ምትሳኦም የላግፁለይ ኣለዉ። መሊስካ ኽፈሎም። መርገምካውን ኣውርደሎም። ካብ ትሕቲ ሰማይ ከዓ ኣጥፍኣዮም።” ፈቐዶ ወሰን መንገዲ ተበታቲኖም። ዝሰርሖ ኣቑሑ ተቘፀሩ። ኣብ ምድረ በዳ ከም ዘለዉ ሰገናት ጨካን ኮነት። ዝህቦም ግና የለን። ኣብ ልዕሊ ዅምራ ሓመድ ደቀሱ። ካብ ሓጢኣት እታ ብቕፅበት ዝተገልበጠት ሰዶም ይዓቢ። መልክዓቶምውን ከም ሰንፔር ነበረ። ከም ዕንፀይቲውን ነቐፁ። ዝበልዕዎ ስኢኖም ብጥሜት ሃሊቖም እዮምሞ። በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን። ንመሰረታታውን ከም ዘቃፅሎ ገበረ። ክኣትዉ እዮም ኢሎም ኣይኣምኑን ነበሩ።” ደም ንፁሃት ፃድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዩ። ከም ዕዉራት ኮይኖምውን፥ ኣብ ኣደባባያት ደርገፍገፍ ይብሉ ኣለዉ። “ደጊም ኣብዙይ ኣይነብሩን” ይብሉ። ነቶም ኣረጋውያንውን ኣየኽበሩን። ሓገዝ ተፀበና። መወዳእታና በፂሑ እዩ። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣድበዩልና። ኣብ ጕድጓዶም ተትሓዘ። ክትሰክርን ጥራሕኺ ኽትኾንን ኢኺ። ንሓጢኣትኪ እውን ክቐልዖ እዩ። ቈላሕ በል እሞ ንውርደትና ጠምቶ። ኣባይትና ንጓኖት ሓሊፎም ተውሃቡ። እኖታትናውን መበለታት ኮና። ዕንፀይትናውን ብመሸጣ ንዕድግ። ንሕና ደኸምና፤ ዕረፍቲ እውን ሰኣንና። ንግብፅን ኣሶርን ኢድና ሃብና። ንሕና ድማ በደሎም ንፀውር ኣለና። ካብ ኢዶም ዘናግፈና ኸዓ የለን። ብህይወትና እንጀራና ነምፅእ ኣለና። ቈርበትና ኸም እቶን ፀለመ። ንደናግል ድማ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዓመፁወን፤ ንኣረጋውያንውን ኣየኽበርዎምን። ዕንፀይቲ ተሰኪሞም ሰንከልከል በሉ። መንእሰያት ከዓ ድምፂ በገናኦም ሓደጉ። ጐይላና ናብ ብኽያት ተለወጠ። ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና እሞ ወይለና። ኣዒንትናውን ደኸማ፤ ጥራሓ ዝተረፈት እምባ ፅዮን፥ መዐንደሪ ወኻሩ ኾይና እያሞ። ዙፋንካ ኸዓ ኻብ ትውልዲ ኽሳዕ ትውልዲ ይነብር፤ ስለ ምንታይከ ንነዊሕ ዘመን እትሓድገና? ንዘመናትና ኸምቲ ናይ ቀደም ሓድሶ። የመናኸ ተቘጢዕኻና ዲኻ? ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፥ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ሩባ ኮቦር ኣብ ማእኸል እቶም ምሩኻት እንተለኹ፥ ሰማያት ተኸፈቱ፤ ራእይ እግዚኣብሄርውን ረአኹ። ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ፥ ካብቲ ንጉስ ኢኮንያን ዝተማረኸሉ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ሕዝቅኤል ወዲ ቡዝ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ሩባ ኮቦር መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት። እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፥ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ፀዳል ብርሃን ክመፅእ እንተሎ ረአኹ፤ ከም ብልጭልጭ ዝብል ወርቂ ድማ ኻብ ማእኸሉ፥ ካብ ማእኸል እቲ ሓዊ ወፀ። ካብቲ ማእኸሉ ኸዓ ምስሊ ኣርባዕተ እንስሳ ወፀ፤ ትርኢቶም ድማ እዙይ እዩ፤ ሰብ ይመስሉ ነበሩ። ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም፤ ንነፍሲ ወከፎምውን፥ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮም። ኣእጋሮም ቀጥ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፤ ከብዲ እግሮም ከዓ፥ ከም እግሪ ሸዀና ምራኽ ነበረ፤ ከም ርሱን ነሃስ ድማ ብልጭልጭ ይብል ነበረ። በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፤ ነርባዕቲኦም ከምዙይ ዝበለ ገፅን ክንፍን ነበሮም። ኣኽናፎም ንስንሳተን ዝተተሓሓዛ ነበራ፤ ክኸዱ እንተለዉ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን፤ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ። ምስሊ ገፆም ገፅ ሰብ ይመስል፤ ኣርባዕቲኦም ከዓ በቲ የማናይ ወገኖም ገፅ ኣንበሳ፥ ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ፀጋማይ ወገኖም ገፅ ብዕራይ፥ ኣርባዕቲኦምውን ገፅ ንስሪ ነበሮም። ኣኽናፎምውን ብላዕሊ ተዘርጊሑ ነበረ፤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኽንፊ፥ እታ ሓንቲ ምስቲ ናይቲ ሓደ እትላገብ፥ እተን ክልተ ድማ ኣካሎም ዝኸድና እየን። ነፍሲ ወከፎም ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፤ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፤ ክኸዱ እንተለዉ ድማ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን ነበሩ። ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕሁር ሓዊን ከም ዝነድድ ሽግን ነበረ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንፀባርቕን ነበረ፤ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወፅእ ነበረ። እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ። ነቶም እንስሳ ኽጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ምድሪ፥ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ንነፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገፆም ረአኹዎም። ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ ብርለ ነበረ፤ ኣርባዕቲኡውን ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። ክኸዱ እንተለዉ፥ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፤ እንትኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። ቁመቶምውን ነዊሕን መፍርሕን ነበረ፤ ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ዙርያ ኹለንተናኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ። እቶም እንስሳ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ልዕል ልዕል ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቃኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ። ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ንሳቶምውን ይኸዱ ነበሩ፤ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ነበረ እሞ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ። መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ስለ ዝነበረ፥ ንሳቶም ክኸዱ እንተለዉ፥ ይኸይድ፤ ንሳቶም ደው ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም ግሩም ዝኾነ ክሪስታል፥ ጠፈር ሰማይ ዝመስል፥ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኽልተ ኣኽናፉ፥ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ እንስሳ ኣቢሉ ዘርጊሑ ደው ኢሉ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ኣካሎም ዝኸድኑሉ ኸክልተ ኽንፊ ነበሮም። ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምፂ ተሰምዐ፤ ደው ክብሉ እንተለዉውን ኣኽናፎም ትሕት የብሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከዓ እምኒ ሰንፔር ዝመስል ምስሊ ዙፋን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ። ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንላዕሊ፥ ርሱን ወርቂ ዝሕብሩ፥ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዙርያኡን ረአኹ፤ ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንታሕቲ ኸዓ ኸም ሓዊ ዝትርኢቱ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያኡውን ፃዕዳ ነበረ። ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም፥ ኣብ ደመና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፥ ከምኡ ትርኢት ፀዳል እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፤ ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ፤ ምስ ረአኽዎ ኸዓ ብገፀይ ወደቕኩ፤ ሓደ ዝዛረብውን ሰማዕኹ። ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ” በለኒ። ክዛረበኒ እንተሎ ኸዓ፥ መንፈስ ኣተወኒ፤ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፤ ነቲ ዝዛረበኒውን ሰማዕኽዎ። በለኒውን፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ደቂ እስራኤል፥ ናብቶም ካባይ ዝዓመፁ ዓመፀኛታት ህዝቢ እልእኸካ ኣለኹ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዓሚፆሙኒ ኣለዉ። ናብ እዞም ገፆም ዝተረረ፥ ልቦም ዝሓረነ ደቂ እሰደካ ኣለኹ፤ ንስኻ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ” በሎም። “ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ኣብ ማእኸሎም ነቢይ ኸም ዘሎ ኽፈልጡ እዮም። “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሓዮም፤ ንቓላቶምውን ኣይትፍርሓዮ፤ ምንም እኳ ምስ ኣምዐን እሾዅን እንተ ኾንካ፥ ኣብ ማእኸል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ እንተለኻስ፥ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ንቓላቶም ኣይትፍርሓዮ፤ ገፆምውን ኣየደንግፅካ። ዓለውቲ እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ቃለይስ ንገሮም ደኣ። “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፥ ዝብለካ ዘለኹ ስማዕ፤ ከምታ ዓማፂት ቤት፥ ዓማፂ ኣይትኹን፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ነዝ ዝህበካ ዘለኹ ድማ ብልዓዮ።” ጠመትኩ እሞ፥ እንሆ፥ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ ነበረት፤ እንሆ፥ ኣብኣ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ነበረት። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ዘርግሓ፤ ብውሽጣን ብደገኣን ተፅሒፍዋ ነበረ፤ ኣብኣ ኸዓ ቝዘማን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ተፅሒፍዋ ነበረ። ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ዝረኸብካዮ ብላዕ፤ ነታ መፅሓፍ ብልዓያ፤ ኬድኻ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም” በለኒ። ሽዑ ኣፈይ ከፈትኩ፤ ንሱውን ነታ መፅሓፍ ኣዀለሰኒ፤ ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከብድኻ ኣፅግብ፥ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ዝህበካ መፅሓፍ ምልኣዮ” በለኒ፤ ሽዑ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይውን ከም መዓር ጠዐመት። በለኒ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ቤት እስራኤል ኪድ፤ ቃላተይ ድማ ተዛረቦም። ናብ ቤት እስራኤል እምበር፥ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዓል፥ ዘረባኡ ዘይፍለጥ ህዝቢ፥ ናብ ቃላቶም ዘይትርድኦ ህዝብታት ኣይተልኣኽካን፤ ብርግፅ ናብኣቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንስ፥ ምሰምዑኻ ነይሮም። ግናኸ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ግምባሮም ተሪር፥ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፥ ቤት እስራኤል ክሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝኾኑ፥ ንኣኻውን ኣይሰምዑኻን እዮም። እንሆ፥ ንገፅካ ኣንፃር ገፆም፥ ንግምባርካውን ኣንፃር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ። ንግምባርካ ኣልማዝ፥ ካብ ብላድ እምኒ ኸም ዝብርትዕ ገይረዮ እየ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ኣይትፍርሓዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ኣይትደንግፅ።” መሊሱውን በለኒ፤ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅሉ እቲ ዝነግረካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፤ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ። ናብቶም ምሩኻት፥ ናብ ደቂ ህዝብኻ ኺድ እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፥ ኢልካ ንገሮምን በሎምን።” እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዓለኒ፤ ብድሕረይ ድማ፥ “ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብቲ ቦታኡ ይባረኽ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ምንቅጥቃጥ ሰማዕኹ። ኣነ ኸዓ ህማም እቲ ንስንሳቱ ዝጋጮ ዝነበረ ኣኽናፍ እቶም እንስሳን፥ ድምፂ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መንኰራዅርን፥ ድምፂ እቲ ዓብዪ ምንቅጥቃጥን ሰማዕኹ። እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዒሉ ወሰደኒ፤ ኣነውን ብምረት፥ መንፈሰይ ተቘጢዑ ኸድኩ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕለይ በርቲዓ ነበረት። ናብቶም ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር፥ ኣብ ቴል ኣቢብ ዝነበሩ ምሩኻት ከዓ መፃእኹ። ኣብኡውን እናስቈርቈርኩ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ማእኸሎም ተቐመጥኩ። ኮነ ድማ፥ ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም። ኣነ ነቲ ሓጢኣተኛ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ፥ ምስ በልክዎ፥ እንተ ዘየጠንቀቕካዮ፥ ካብ መንገዲ ሓጢኣቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፥ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘየጠንቀቕካዮን፥ እቲ ሓጢኣተኛ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ግናኸ ነቲ ሓጢኣተኛ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱን ካብ መንገዲ ሓጢኣቱን እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሓንካ። “ፃድቕ ካብ ፅድቁ ተመሊሱ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ መዐንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ ኽመውት እዩ፤ ስለ ዘየጠንቀቕካዮ ብሓጢኣቱ ኽመውት፥ እቲ ዝገበሮ ፅድቂ ድማ ኣይዝከርን እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ንስኻ ግና፥ እቲ ፃድቕ ሓጢኣት ከይገብር እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ብሓቂ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን።” ኣብኡውን ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፤ “ተስእ ናብ ጐልጐል ውፃእ፤ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ” በለኒ። ሽዑ ተሲአ ናብ ጐልጐል ወፃእኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎ ኽብሪ፥ ኣብኡ ቖይሙ ነበረ፤ ብገፀይውን ወደቕኩ። እቲ መንፈስ ከዓ ኣተወኒ፤ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ እሞ፥ “ኪድ ኣብ ቤትካ ተዓፆ” ኢሉ ተዛረበኒ። “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ፥ መእሰሪ ኽገብሩልካን ክኣስሩኻን እዮም፤ ካብ ማእኸሎም ድማ ኣይትወፅእን ኢኻ። ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ምእንቲ ኽትዕበስን፥ ዘላፊኦም ከይትኸውንስ፥ ልሳንካ ኣብ ታሕናግካ ኸጣብቕ እየ። እንትዛረበካ ግና፥ ንኣፍካ ክኸፍቶ እየ፤ ንስኻውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ ክትብሎም ኢኻ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ዝሰምዕ ይስማዕ፤ ዝኣቢውን ይእበ።” “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጡብ ውሰድ፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸዓ ኣንብሮ እሞ፥ ከተማ ኢየሩሳሌም ሰኣለሉ። ክቢ ኽበባ፤ ኣብ ልዕሊኣ ግንቢ ስራሕ፤ ዕርዲ ዓርዳ፤ ሓመድ ደልድለላ፤ ሰፈር ኣቑመላ፤ ብዅሉ ዙርያኣ ድማ ዘፍርስ ጕንዲ ግበር። ንስኻ ኸዓ መቚሎ ሓፂን ወሲድካ፥ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን፥ ከም መንደቕ ሓፂን ጌርካ ኣንብሮ፤ ገፅካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕንዕ፤ ክብብቲ ትኹን፤ ክበባውን፤ እዙይ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን። “ደሓር ብፀጋማይ ጐንኻ ደቅስ፤ ኣብኡውን ንሓጢኣት ቤት እስራኤል ኣንብሮ፤ ክንዲ ቝፅሪ እተን ዝደቀስካለን መዓልቲታት ከዓ ሓጢኣቶም ክትፀውር ኢኻ። ኣነ ድማ ንዓመታት ሓጢኣቶም ብቚፅሪ መዓልቲታት፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፥ ገይረልካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ሓጢኣት ቤት እስራኤል ክትፀውር ኢኻ። እዙይ ምስ ኣእኸልካ ኸዓ፥ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐንኻ ኽትድቅስ ኢኻ፤ ነርብዓ መዓልቲ እውን ሓጢኣት ቤት ይሁዳ ኽትፀውር ኢኻ፤ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣለኹ። “ገፅካን እቲ ጥራሑ ዘሎ ቕልፅምካን ናብታ ኽብብቲ ኢየሩሳሌም ኣቕንዕ እሞ ተነበየላ። እንሆ፥ ብገመድ ቀጥ ኣቢልካ፥ ነተን መዓልቲታት ምኽባብካ እንተየእኸልካየን ከዓ፥ ካብ ሓደ ጐንኻ ናብቲ ሓደ ጐንኻ ኣይትግልበጥን ኢኻ። “ንስኻ ስርናይን ስገምን ዓተርን ዓተር ባሕሪን ብርስንን ዓረስን ውሰድ፤ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፥ እንጀራ ሰንክት፤ ብቚፅሪ እተን ብሓደ ጐንኻ እትድቅሰለን መዓልቲታት፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፥ ክትበልዕ ኢኻ። እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሰቕሊ ማይውን ብመስፈሪ፥ ሻድሸይቲ ኣፍ ኢን፥ ክትሰቲ ኢኻ። በብጊዜኡ ኽትሰትዮ ኢኻ። ኣብ ቅድሚኣቶም ብዅስሒ ሰብ ኣብሲልካ፥ ኣብኡ ኸም ቅጫ ስገም ክትበልዖ ኢኻ።” እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣነ ናብኣቶም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኮይኖም፥ ከምኡ ርኹስ እንጀራኦም ክበልዑ እዮም” በለ። ሽዑ ኣነ፥ “ወዮ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ፥ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን፤ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሐለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኹን፤ ርኹስ ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን” በልኩ። ንሱ ኸዓ፥ “እንሆ፥ ክንዲ ብዅስሒ ሰብ፥ ዒባ ኸፍቲ እህበካ ኣለኹ፤ ብእኡ ጌርካ እንጀራኻ ኽተብስል ኢኻ” በለኒ። መሊሱውን “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ኣብ ኢየሩሳሌም ንምርኩስ እንጀራ ኽሰብሮ እየ፤ እንጀራን ማይን ክስእኑ እዮም እሞ፥ ንእንጀራ ብሚዛንን ብፍርሕን ክበልዕዎ፥ ንማይ ከዓ ብመስፈሪን ብድንጋፀን ክሰትይዎ እዮም፤ እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኾይኖም ክትክዙ፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶምውን ክጠፍኡ እዮም” በለኒ። “ንስኻ ድማ፥ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም መላፀ ላፃዪ ዝበለ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ እሞ፥ ርእስኻን ጭሕምኻን ተላፀየሉ፤ ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ፀጕሪ ምቐሎ። መዓልቲታት ምኽባብ ምስ ተፈፀመ፥ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ፤ ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ፥ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፤ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፤ ኣነ ድማ ደድሕሪኣቶም ሰይፊ ኽመዝዝ እየ። ካብኡውን ውሑድ ዝቝፅረን ውሰድ እሞ፥ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛፅረን። ካብ እዚኣተን ከዓ መሊስካ ውሰድ፤ ኣብ ማእኸል ሓዊ ድማ ደርብየን፥ ብሓዊውን ኣቃፅለን፤ ድሕሪዙይ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ሓዊ ኽወፅእ እዩ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዚኣስ ኢየሩሳሌም እያ፤ ኣነ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣንበርክዋ፤ ሃገራትውን ኣብ ዙርያኣ ኣለዋ። ንፍርደይ ንዒቖም፥ ከም ሕግጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፥ ንሳ ብሓጢኣታ ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተፃረረቶ፤ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገራት ገዲዳ ድማ ንሕግጋተይ ኣፍረሰቶ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት ገዲድኩም ስድታት ስለ ዝኾንኩምን ከም ሕግጋተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ፍርደይ ስለ ዘይገበርኩምን፥ ከም ፍርዲ እቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት እኳ ስለ ዘይገበርኩምን” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ እመፀኪ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከዓ፥ ኣብ ማእኸልኪ ፍርዲ ኸውፅእ እየ። ብሰንኪ ዅሉ ርኽሰትኪ ኸዓ፥ ገይረዮ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪዙይውን ከቶ ዘይገብሮ፥ ክገብረኪ እየ። ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንውሉዶም፥ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም፤ ፍርዲ ኣባኺ ኽፍፅም፥ ንዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ህያው እየ፤ ብርግፅ ንመቕደሰይ፥ ብዅሉ ፅዩፍ ነገርክን ብዅሉ ርኽሰትክን ኣርከስክዮ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ኸንእሰኪ፥ ዓይነይ ንኣኺ ኣይርህርህን፤ ኣነውን ኣይሓዝነልክን። ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ። “ቍጥዓይ ሕነኡ ኽወፅእ፥ ቍጥዓይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክዝሕል እዩ፤ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ቍጥዓይ ኣብኣቶም ምስ ኣዝሓልኩ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብቕንኣተይ ከም እተዛረብኩ ኽፈልጡ እዮም። ኣብቶም ከቢቦምኺ ዘለዉ ኣህዛብን፥ ኣብ ዓይኒ እቶም ብእኡ ዝሓልፉ ዅላቶምን ከዓ፥ ምድረ በዳን መፃረፍን ክገብረኪ እየ። “ብቝጥዓን ብመዓት ቍጥዓን ምስ ፈረድኩኺ፥ እዙይ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት፥ ንመፃረፍን ንመላገፅን ንመለበምን ንመሰክሕን ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ። ንጥፍኣቶም ዝኸውን፥ ናይ ጥሜት ክፉእ ፍላፃ፥ ኣብ ርእሶም ምስ ሰደድኩ፥ ምእንቲ ኸጥፍአኩም ክሰዶ እየ፤ ነቲ ጥሜትኩም ከግድዶ እየ፤ ንምርኩስ እንጀራኹምውን ክሰብሮ እየ። ጥሜትን ንደቅኹም ዝቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፥ ፌራን ደምን ከዓ ብማእኸልኪ ኽሓልፍ እዩ፤ ሰይፊ እውን ከተስአልኪ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እዙይ ተዛሪበ ኣለኹ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ እምባታት እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን። በልውን፦ ኣትን እምባታት እስራኤል፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንዒላታትን ንለሰታትን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እኒሀኹ ኣነ፥ እወ ኣነ ሰይፊ ኸምፅአልኩም፥ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ። መሰውኢታትኩም ክፈርስ፥ እቲ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽሰባበር፥ ነቶም ውጉኣትኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣዖታትኩም ከውድቖም እየ። ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ከንብሮ፥ ንኣዕፅምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም ክዘርዎ እየ። መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኽባድምን ክዓኑን፥ ጣዖታትኩም ከዓ ኽስበርን ክጠፍእን፥ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽቝረፅ፥ ስራሕኹምውን ምእንቲ ኽድምሰስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ኹሉ እትነብሩሉ፥ እተን ከተማታት ክዓንዋ እየን፤ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከዓ ኽፈርስ እዩ። ተወጊኦም ዝሞቱ ኣብ ማእኸልኩም ክወድቁ እዮም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። “በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ። እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽፈልጡ እዮም፤ እዝ መዓት እዙይ ከምፅአሎም እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኮነን። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክወድቁ እዮም እሞ፥ ብኢድካ ኣጣቕዕ፤ ብእግርኻ ኸዓ ኾደብደብ በል፤ ብዛዕባ ዅሉ ናይ ቤት እስራኤል ርኽሰት ድማ፥ ወዮ! በል። እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ፥ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ክመውት እዩ። በዝ ኸምዙይ ቍጥዓይ ኣብኣቶምም ክፍፅም እየ። እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእኸል ጣዖታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዀረብታ፥ ኣብ ኵሉ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቘፅሊ ዘለዎ ኣውሒ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ንዅሎም ጣዖታቶም ጥዑም መዓዛ ዝዓጥኑሉ ስፍራ ምስ ኮኑ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ኸዓ ኢደይ ክዝርግሐሎም እየ፤ ነታ ምድሪ ድማ፥ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፥ ካብ በረኻ ዴብላታ እትገድድ ባዶን ፅምዋን ክገብራ እየ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንምድሪ እስራኤል ከምዙይ ይብላ ኣሎ፦ መወዳእታ፥ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገር መወዳእታ በፂሑ ኣሎ። “ሕዚ መወዳእታ ኣባኺ መፀ፤ ቍጥዓይ ድማ ኽሰደልኪ፥ ከም መንገድኺ መጠን ክፈርደኪ፥ ኵሉ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ። ዓይነይ ኣየናሕስየልክን፤ ኣነውን ኣይርህርሀልክን፤ ኣነስ መንገድኺውን ኣብ ልዕሌኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “መዓት፥ በይኑ ዝኾነ መዓት እንሆ ይመፅእ ኣሎ። መወዳእታ መፀ፤ እቲ መወዳእታ መፀ፤ ተልዓለኪ፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ። ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ዘለኻ፥ ተራኻ መፀካ፥ እቲ ጊዜ በፅሐ፤ ዕልልታ ኣብ እምባታት ዘይስምዐላ መዓልቲ ዕግርግር ቀረበት። “ሕዚ ብቕልጡፍ ቍጥዓይ ክኽዕወልኪ፥ ሕነ ቝጥዓይ ከዓ ኽወፀልኪ፥ ከም መጠን መንገድኺ ድማ ኽፈርደኪ፥ ንዅሉ ርኽሰትኪ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርዶ እየ። ዓይነይ ኣየናሕስን እዩ፤ ኣነውን ኣይርህርህን፤ ኣነስ ከም መጠን መንገድኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኽውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዝቐስፍ ዘሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።” እንሆ እታ መዓልቲ፥ እኒሃ መፀት፤ ተራኺ በፅሐ፤ እታ በትሪ ዓምበበት፤ ትዕቢት ከዓ ጠጥዐ። ዓመፃ፥ በትሪ ሓጢኣት ኮይና ተልዓለት፤ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኣቶምን ዝተርፍ ሓደ እኳ የለን። ዘመን በፂሑ፤ መዓልቲ ቐሪቡ ኣሎ፤ ጕሁር ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፥ ዝገዝእ ኣይተሓጐስ፤ ዝሸይጥውን ኣይጕሀ። እቲ ዝሸይጥ ብህይወቱ እኳ እንተሎ፥ ናብቲ ዝሸጦ ኣይምለስን እዩ፤ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ዝኾነ ራእይ፥ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ እሞ፥ ብዓመፅ ዝነብር ንህይወቱ ዘፅንዓ ሓደ እኳ የለን። መለኸት ተነፍሐ፤ ኵሉ ኸዓ ተዳለወ፤ ቍጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ኣሎ እሞ፥ ናብ ውግእ ዝኸይድ ሓደ እኳ የለን። ኣብ ወፃኢ ሰይፊ፥ ኣብ ውሽጢ ኸዓ ፌራን ጥሜትን ኣሎ፤ እቲ ኣብ መይዳ ዘሎ ብሰይፊ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ክውሕጦ እዩ። እቶም ካብኣቶም ዘምለጡ ግና ኸምተን ርግቢታት ሽንጥሮ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቶም እናቘዘሙ፥ ኣብ እምባታት ክኾኑ እዮም። ኵለን ኣእዳው ክዳኸማ፥ ኵለን ኣብራኽ ድማ ኸም ማይ ክፈሳ እየን። ከሊ ኽዕጠቑ፥ ራዕዲ ኽኽደኑ፥ ኵሉ ገፅ፥ ሕፍረት ክጕልበብ፥ ኵሉ ኣራእሶም ድማ ኽነፅይዎ እዮም። ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ክድርብዩ፥ ወርቆም ከዓ ኸም ርኹስ ነገር ክኽውን እዩ፤ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን፥ ናይ ሓጢኣቶም መዐንቀፊ እምኒ ስለ ዝኾነ፥ ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንጥሜቶም ኣየፅግቦን፤ ንኸብዶምውን ኣይመልአሎምን እዩ። መልክዕ ሽልማቶም ንትዕቢት ኮኖም፤ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዘፈንፍኑ ጣዖታቶምን ንርኽሰት ገበርክዎ። “ዘመተ ክኸውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖት፥ ምርኮ ክኽውን ከዓ ንዓመፅቲ ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኸርክስዎ እዮም። ካብኣቶም ገፀይ ክምልስ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ንምስጢረይ ከርክስዎ፥ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኸርክስዋ እዮም። “እዛ ምድሪ እዚኣ ብደም መሊኣ ኣላ፤ እዛ ኸተማ እዚኣውን ዓመፅ መሊእዋ እዩ እሞ፥ ሞቑሕ ኣዳሉ። ነቶም የመና ሕሱማት ካብ ኣህዛብ ከምፅእ እየ እሞ፥ እዚኣቶም ኣባይቶም ክወርሱ እዮም፤ ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፤ መቕደሳቶም ከዓ ኽረኽሳ እየን። ጥፍኣት ይመፅእ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ሰላም ክደልዩ እዮም፤ ኣይርከብንውን። መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ክመፅእ፥ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ክኸውን እዩ፤ ካብ ነቢይ ራእይ ክደልዩ እዮም፤ ግናኸ፥ ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪውን ካብ ኣረጋውያን ክጠፍእ እዩ። እቲ ንጉስ ክትክዝ፥ እቲ ሓለቓ ድማ ሓዘን ክኽደን፥ ኣእዳው እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ራዕራዕ ክብል እዩ። ከም መጠን መንገዶም ክፈድዮም፥ ከከም ዝግብኦም ከዓ ኽፈርዶም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።” ኮነ ድማ፥ ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት፥ ኣብታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ እንተለኹ፥ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም እንተለዉ፥ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት። ሽዑ ረአኹ፥ እንሆ ትርኢት ሓዊ ዝመስል ምስሊ ነበረ፤ ካብቲ ምስሊ ኻብ ሕቘኡ ንታሕቲ ሓዊ፥ ካብ ሕቘኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዘንፀባርቕ ወርቅን ዝመስል ነበረ። ንሱ ኸዓ ኢድ እትመስል ዘርግሐ፤ ብፀጕሪ ርእሰይ ድማ ሓዘኒ፤ መንፈስውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓለኒ፤ ብራእይ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰደኒ፤ ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዘርኢ ኣፍደገ ኣምፅአኒ፤ ኣብኡውን እቲ ንቕንኣት ዘለዓዕል ምስሊ፥ ናይ ቅንኣት ጣዖት ተተኺሉ ነበረ። እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ ኣብ ለሰ ዝረአኽዎ ትርኢት፥ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል” በለኒ። ኣነ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ። እንሆ ድማ፥ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፥ እዙይ ናይ ቅንኣት ጣዖት ነበረ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉዶ ትርኢ ኣለኻ? ኣነ ኻብ ቤተ መቕደሰይ ምእንቲ፥ ክርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ርኽሰትዶ ትርኢ ኣለኻ? አረ ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ። ንሱ ኸዓ ናብ ደገ እቲ ዓፀድ ወሰደኒ፤ እንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ረአኹ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ መንደቕ ኵዓቶ” በለኒ፤ ነቲ መንደቕ ምስ ኰዓትክዎ ድማ፥ እንሆ፥ ኣፍ ደገ ረኸብኩ። ንሱውን “እቶ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝገብርዎ ዘለዉ ኽፉእ ርኽሰት ረአ!” በለኒ። ኣተኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ብዙሕ ምስሊ እቶም ለመም ዝብሉን፥ ርኹሳት እንስሳን፥ ኵሎም ጣዖታት ቤት እስራኤልን፥ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ተስኢሉ ረአኹ። ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ፥ ሰብዓ ሰባት ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ማእኸሎም ድማ ያእዛንያ ወዲ ሻፋን ቆይሙ፥ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ፅንሃህ ሒዞም፥ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መዓዛ ዕጣንውን ዒግ ኢሉ ወፀ። ሽዑ ንሱ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣይሪአናን፤ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ ሓዲጉዋ እዩ፤ ኢሎም፥ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ፀልማት ኣብ ሸሽርጓና ውሻጠ ኾይኖም ዝገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮ ኣለኻ” በለኒ። ንሱ ኸዓ፥ “አረ ኻብዙይ ዝገድድ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ። ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ። ሽዑ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዮዶ? ገና ኻብዙይ ዝገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ። ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን፥ ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ገፆም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንፀሓይ ይሰግዱ ነበሩ። ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዶ? ነታ ምድሪ ብዓመፅ መሊኦምዋ፤ መመሊሶም ድማ ቝጥዓይ ዘለዓዕሉስ፥ ቤት ይሁዳ እዝ ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትዶ ውሒድዎም እዩ፤ እንሆ፥ ንሳቶም ነቲ ጨንፈር ናብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ” በለኒ። ስለዙይ “ኣነ ድማ ብናህሪ ኽገብር እየ፤ ዓይነይ ኣይትርህርሀሎምን እያ፤ ኣይምሕሮምን እየ፤ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ኣእወዩ እኳ ኣይሰምዖምን እየ” በለኒ። ኣብ ኣእዛነይ ከዓ፥ እቶም ነታ ኸተማ ዝቐፅዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ዘጥፍአሉ ኣፅዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፥ እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ። እንሆ ድማ፥ ሽዱሽተ ሰባት፥ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ዝቐትለሉ ኣፅዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብቲ መንገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ናብ ዘርኢ ላዕለዋይ ደገ መፁ፤ ሓደ ሰብኣይ፥ ካብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዘለዎ፥ ኣብ ማእኸሎም ነበረ። ኣትዮም ድማ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሃስ ቆሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፥ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ ነቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸደነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ፀውዖ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ብማእኸል ከተማ፥ ብማእኸል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ፥ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእኸላ ዝግበር ዘሎ ርኽሰት፥ ዝጕህዩን ዝትክዙን፥ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” በሎ። ኣነ እናሰማዕኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ነቶም ካልኦት በሎም፦ “ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ፤ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትሕዘን፤ ኣይትራህርሁውን። ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረጋውያንን ነጕባዝን ንጐራዙን ንቘልዑን ንኣንስትን ቅተሉ፤ ኣፅንቱ፤ ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም” በሎም። ንሳቶም ከዓ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረጋውያን ጀመሩ። ንሱ ድማ፥ “ነታ ቤት ኣርክስዋ! ነቲ ኣደባባያት ከዓ ብምዉታት ምልእዎ! ውፁ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ወፁ፤ ኣብታ ኸተማውን ይቐትሉ ነበሩ። ኮነ ድማ፥ ክቐትሉ እንተለዉ፥ ኣነ ተረፍኩ፤ ብገፀይ ወደቕኩ እሞ፥ “ወዮ! ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ቍጥዓኻ ኣብ ኢየሩሳሌም ክዒውካዶ፥ ንዅሎም ተረፍ እስራኤል ክተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ። ንሱ ድማ በለኒ፦ “ሓጢኣት ቤት እስራኤልን ይሁዳን፥ የመና ዓብዪ እዩ፤ ‘እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ፤ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርኢን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥ እታ ምድሪ ብደም፥ እታ ኸተማውን ብዓመፅ መሊአን ኣለዋ። ስለዙይ ዓይነይ ኣይሓዝንን፤ ኣነ ኣይርህርህን፤ መንገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ።” እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ እተኸድነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበሮ፥ “ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ” ኢሉ ፀብፃቡ ሃበ። ሽዑ ጠመትኩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለውዎ ጠፈር፥ ከም እምኒ ሰንፔር ኮይኑ፥ ትርኢት ዙፋን ዝመስል ኣብ ልዕሊኣቶም ተርኣየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ “ኣብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፥ ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፤ ካብቲ ኣብ ማእኸል ኪሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፍሓም ድማ፥ በእዳውካ ሓፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ በትኖ” ኢሉ ተዛረቦ፤ ንሱውን እናረአኽዎ ኣተወ። እቲ ሰብኣይ ክኣቱ እንተሎ፥ እቶም ኪሩቤል ብወገን የማን እታ ቤት፥ ደው ኢሎም ነበሩ፤ እቲ ደመና ኸዓ ነቲ ውሽጣዊ ዓፀድ መልኦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ እታ ቤት ድማ ብደመና መልአት፤ እቲ ዓፀድውን ብፀዳል ክብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ። ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ እንተሎ ኾይኑ፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዓፀድ ተሰምዐ። ኮነ ኸዓ፥ ነቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸደነ ሰብኣይ፥ ካብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፥ ካብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ፥ ኢሉ ምስ ኣዘዞ፥ ንሱ ኣተወ፤ ኣብ ጥቓ መንኰራዅር ድማ ቖመ። እቲ ኪሩብ ድማ፥ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ናብቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ፥ ኢዱ ዘርጊሑ ኻብኡ ወሰደ፤ ኣብ ኣእዳው እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ድማ ኣንበሮ፤ ንሱውን ሒዙ ወፀ። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ኢድ ሰብ ዝመስል ተርኣየ። ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር፥ ሓሓንቲ መንኰራዅር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ፤ ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ፥ ከም ሕብሪ እምኒ ቢረሌ ነበረ። ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከዓ ይመሳሰል ነበረ፤ እቲ ሓደ መንኰራዅር፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዝኣተወ ይመስል ነበረ። ክኸዱ እንተለዉ ድማ በርባዕተ ጐድኖም ይኸዱ ነበሩ፤ እንትኸዱ ኸዓ ናብ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘምርሖ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፥ ክኸዱ እንተለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ። ኵሉ ሰብነቶምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን፥ እቲ መንኰራዅርን ኣርባዕቲኡ መንኰራዅሮምን ብዅሉ ዙርያኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ። ነቲ መንኰራዅር ከዓ፥ ኣነ እናሰማዕኹ፥ ጌልጌል ኢሎም ይሰምይዎ ነበሩ። ንሱ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮ፤ እቲ ቐዳማይ ገፅ ኪሩብ፥ እቲ ኻልኣይ ገፅ ሰብ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ናይ ኣንበሳ ገፅ፥ እቲ ራብዓይ ድማ ናይ ንስሪ ገፅ እዩ። እቶም ኪሩቤል ከዓ ልዕል ልዕል በሉ፤ ንሳቶምውን እቶም ቀደም ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎም እንስሳ እዮም። እቶም ኪሩቤል ክኸዱ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ድማ ጐኒ ጐኖም ይኸይድ ነበረ፤ እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ እንትለዓሉ ኣኽናፎምውን እንትዝርግሑ፥ እቲ መንኰራዅርውን ካብ ጥቓኣቶም ኣየግልስን ነበረ። መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብኣቶም ስለ ዝነበረ፥ እቲኣቶም ደው ክብሉ እንተለዉ፥ እዙይውን ደው ይብል ነበረ፤ እቲኣቶም ክለዓሉ እንተለዉ፥ እዙይውን ይለዓል ነበረ። ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ልዕሊ ልዳት እታ ቤት ወፀ፤ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከዓ ቖመ። እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑ፤ ክነቕሉ እንተለዉ ኸዓ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተልዓሉ፤ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቖሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ። እዚኣቶም ከዓ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎም እንስሳ እዮም። ኣነውን ኪሩቤል ምዃኖም ኣለለኽዎም። ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገፅን ኣርባዕተ ኽንፍን ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከዓ ኣእዳው ሰብ ዝመስል ነበሮም። መልክዕ ገፆም ከምቲ ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር ዝረአኹዎ ገፅ ነበረ፥ ትርኢቶምውን ከምኡ ነበረ፤ ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚኡ ቀጥ ኢሉ ይኸይድ ነበረ። መንፈስ ኣልዓለኒ፤ ናብቲ ወገን ምብራቕ፥ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዝርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ነበሩ፤ ኣብ ማእኸሎም ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ፥ ያእዛንያ ወዲ ዓዙርያን ፈላጥያ ወዲ በናያን ረአኽዎም። በለኒ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዝሓስቡ፥ ክፉእውን ዝመኽሩ ሰባት እዮም። ንሳቶም ድማ ‘ብሓቂ ኣባይቲ እንሰርሐሉ እዋን ዝቐረበዶ ኣይኮነን? ንሳ ድስቲ እያ፤ ንሕና ኸዓ ስጋ ኢና’ ይብሉ ኣለዉ። ስለዙይ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ” በለኒ። መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣባይ ወረደ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንስኻትኩም ከምዙይ ትብሉ ኣለኹም፤ ኣነውን ንሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ፤ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ቀተልኩም፤ ነደባባያታውን ቅቱላት መላእኹምዋ፤ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም” በለኒ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ኣብ ማእኸላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፥ ንሳቶም ስጋ እዮም፤ ንሳ ኸዓ ድስቲ እያ፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ማእኸላ ኽትወፁ ኢኹም። ሰይፊ ፈራሕኹም፤ ሰይፊ ድማ ኸምፅአልኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ካብ ማእኸላ ኸውፅአኩም፥ ናብ ኢድ ጓኖት ከዓ ኸሕልፈኩም፥ ፍርድውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ። ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይትኾነልኩምን፤ ንስኻትኩምውን ኣብ ማእኸላ ስጋ ኣይትኾኑን ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ። ንስኻትኩምስ ሕጊ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፥ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምን፤ ፍርደይ ከዓ ኣይገበርኩምን እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ኮነ ኸዓ፥ ኣነ ኽንበ እንተለኹ፥ ፊላጥያ ወዲ በናያስ ሞተ፤ ሽዑ ብግምባረይ ተደፊአ ዓው ኢለ፥ “ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤልዶ ፈፂምካ ኽተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ እዮም ኣሕዋትካ፤ እወ ኣሕዋትካ፥ እቶም ኣዝማድካን ኵሎም ቤት እስራኤልን ካብ እግዚኣብሄር ረሓቑ፤ ‘እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ’ በልዎም።” ስለዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ናብ ማእኸል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራትውን እንተ በተንኩዎም፥ ኣብቲ ዘዝመፅዎ ሃገራት ንቑሩብ ጊዜ መቕደስ ክኾኖም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ስለዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘለኹም ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ንምድሪ እስራኤልውን ክህበኩም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ናብኣ ኸዓ ኽመፁ እዮም፤ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ፅዩፍ ነገራን ኵሉ ርኽሰትን ድማ ኻብኣ ኸርሕቕዎ እዮም። ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፥ ንፍርደይ ከዓ ኽሕልዉን ክገብርዎን፥ ሓደ ልቢ ኽህቦም፥ ሓድሽ መንፈስውን ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ፤ ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እየ። ግናኸ እቶም፥ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፉናት ነገሮምን ርኽሰቶምን ዝስዕብስ፥ መንገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዓሉ፤ እቲ መንኰራዅር ከዓ ኣብ ጐኖም ነበረ፤ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ማእኸል እታ ኸተማ ተልዓለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ እምባ ቖመ። መንፈስ ድማ ኣልዓለኒ፤ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከዓ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፥ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ፤ እቲ ዝሪኦ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ኻብ ቅድመይ ተሰወረ። ኣነ ኸዓ እቲ እግዚኣብሄር ዘርአየኒ፥ ኵሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንስኻ ኣብ ማእኸል ቤት ዓመፅቲ ትነብር ኣለኻ፤ ዓመፅቲ ቤት እዮም እሞ፥ ንምርኣይ ኣዒንቲ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን፤ ንምስማዕ ከዓ ኣእዛን ኣለዎም፤ ግና ኣይሰምዑን።” ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም ስደተኛ ዄንኻ ጓዓዝ ኣዳሉ እሞ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ተልዓል። ዓማፂ ቤት እዮም እሞ፥ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ገዓዝ። ከምቲ ጐዓዝ ስደት፥ ንጐዓዝካ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ኣውፅኣዮ፤ ከምቲ ንስደት ዝወፅእ ሰብ ኴንካ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ምሸት ውፃእ። ኣብ ቅድሚኣቶም ነቲ መንደቕ ኣንኵሎ፤ ብእኡ ድማ ኣውፅኣዮ። ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ መንኰብካ ፁሮ፤ ምስ ፀልመተ ድማ ኣውፅኣዮ። ንቤት እስራኤል ምልክት ገይረካ እየሞ፥ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ኸይትሪኣ ገፅካ ሸፍን።” ኣነ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ገበርኩ፤ ንጓዓዘይ፥ ከም ጓዓዝ ስደት ገይረ፥ ብመዓልቲ ኣውፃእኽዎ፤ ምሸት ከዓ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ፀልመተ ድማ፥ ኣብ ማእገረይ ፀይረ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣውፃእኽዎ። ንፅባሒቱ ኸዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፥ ‘እዛ ዓማፂት ቤትስ፥ እንታይ ደኣ ኢኻ እትገብሮ ዘለኻ?’ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን? እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እዝ ፆር እዙይ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ሓለቓን ነቶም ኣብ ማእኸላ ዘለዉ ዅሎም ቤት እስራኤልን እዩ፤ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። በልውን፥ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፥ ከምኡ ኽገብርዎም እዮም፤ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ክኸዱ እዮም። እቲ ኣብ ማእኸሎም ዘሎ ሓለቓ ኣብ ማእገሩ ፆይሩ፥ ምስ ፀልመተ ኽወፅእ እዩ፤ ምእንቲ ኸውፅእዎ፥ ነቲ መንደቕ ከንኵልዎ እዮም፤ ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይሪኣ ድማ ገፁ ኽሽፈን እዩ። ኣነ ኸዓ መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሐሉ፤ ብመፈንጠረይ ድማ ይተሓዝ፤ ናብ ባቢሎን፥ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምፅኦ እየ፤ ግናኸ ኣብኣ ኽመውት እዩ፤ ኣይሪኣንውን። ንዅላቶም ክሕግዝዎ ኢሎም ዝኸብዎን ንዅሎም ሰራዊቱን ናብ ኵሉ ንፋሳት ፋሕ ከብሎም፥ ደድሕሪኣቶም ድማ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ። “ኣብ ማእኸል ህዝብታት ምስ በተንክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራት ድማ ምስ ዘራእኽዎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። ካብኣቶም ግና ኣብቶም ዝኸድዎም ህዝብታት፥ ኵሉ ፍንፉን ነገሮም ምእንቲ ኸዘንትዉስ፥ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ውሑዳት ከትርፍ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንጀራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፤ ማይካ ኸዓ ብፍርሓት ቀጥቀጥ እናበልካ ስተ። ‘ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ምድሪ እስራኤልን ዝነብሩስ፥ ሃገሮም ብሰንኪ ዓመፅ ኵሎም እቶም ዝነብርዋ፥ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፥ እንጀራኦም ብሰንፈላል ክበልዑ፥ ማዮም ድማ እናስካሕኽሑ ኽሰትዩ እዮም፤ እዘን ሰብ ዝነብረለን ዘለዋ ኸተማታት ክዓንዋ እየን፤ እታ ምድሪ ድማ ኽትባድም እያ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዘመን ይነውሕ፤ ራእይ ዅሉውን ይጠፍእ ኣሎ፥ ኢልኩም እትምስሉስ እንታይ ዝምስላኡ እዩ እዙይ? ስለዙይ ከምዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ምስላ እዙይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ኣብ እስራኤል ከዓ መሊሶም ኣይምስሉዎን እዮም። ንስኻ ግና፥ ዘመንን መፈፀምታ ዅሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፥ ኢልካ ደኣ ንገሮም።” ስለዙይ “ኣብ ማእኸል ቤት እስራኤል ድሕሪዙይ ከንቱ ራእይን ናይ ሓሰት ትንቢትን ኣይኸውንን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፥ ኣነ እየ ዝዛረብ፤ እቲ ቓል ከዓ ኽፍፀም እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ፤ ኣቱም ዓማፂ ቤት ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፥ እገብሮውን ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ፥ ቤት እስራኤል እቲ እትሪኦ ራእይ ‘ንዝመፅእ ነዊሕ ዘመን እዩ፤ ንርሑቕ ዘሎ ጊዜያት ድማ እዩ ዝንበ ዘሎ’ ይብሉ ኣለዉ። ስለዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድሕሪዙይ ካብተን ቃላተይ ሓንቲ እኳ ኣይትድንጕን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከዓ ኽትፍፀም እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ኢልካ ንገሮም። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቶም ዝንበዩ ዘለዉ ነቢያት እስራኤል፥ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ነቶም ካብ ልቦም ፈጢሮም ዝንበዩ ዘለዉውን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካ ንገሮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ነቶም ዝኾነ ኸይረኣዩስ፥ ንመንፈስ ርእሶም ዝስዕቡ ዓያሹ ነቢያት ወይለኦም” ይብል ኣሎ። “ኣታ እስራኤል፥ ነቢያትካ ኸምተን ኣብ ምድረ በዳ ዝነብራ ወኻሩ እዮም። በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቆሙ፥ ናብቲ ፍራስ ኣይወፃእኹምን፤ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቅፅሪ ኣይሰራሕኹምን። እቶም እግዚኣብሄር እንተይለኣኾም፥ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፥ ኢሎም ቃሎም ከም ዝፍፀም ዘተስፍዉ፥ ከንቱነትን ትንቢት ሓሰትን እዮም ዝረአዩ። ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፥ ‘እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝረአኹምዎ? ትንቢት ሓሰትዶኸ ኣይኮነን እተዛረብኩምዎ?” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ “ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሰት ራእይውን ስለ ዝረአኹም፥ ስለዙይ እኒሀኹ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኢደይ ከዓ ነቶም ከንቱነት ዝሪኡን ሓሰት ዝንበዩን ነቢያት ክትፃረሮም እያ፤ ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይህልዉን፤ ኣብ መፅሓፍ ቤት እስራኤል ድማ ኣይፀሐፉን፤ ናብ ምድሪ እስራኤል ከዓ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። “ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ኣሎ፥ ኢሎም ንህዝበይ ኣስሒቶም እዮም፤ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ እንሆ ንሳቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ይመርግዎ። ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝመርጉ ሰባት፥ ክወድቕ እዩ በሎም። ዝደማስስ ዝናም ክዘንም እዩ፤ ኣውሎ ንፋስ ከዓ ኸፍርሶ እዩ። እንሆ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፥ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ፀብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይብሉኹምን እዮም?” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብመዓተይ ህቦብላ ንፋስ ክሰድድ ብቝጥዓይ ድማ ዝደማስስ ዝናም ከዝንም፥ ብመዓተይውን ዘጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ። ነቲ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን፥ ናብ ምድሪ ኽድርብዮን እየ፤ መሰረቱውን ጋሕ ክብል እዩ፤ ንሱ ኽወድቕ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። “ነቲ መንደቕን፥ ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝለቕለቕዎን፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም እየ። ኣነ ድማ፥ እቲ መንደቕ የለን፤ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን ክብለኩም እየ። ንሳቶም ከዓ እቶም ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝንበዩ፥ ራእይ ሰላም ዝሪኡላ ዘለዉ ነቢያት እስራኤል እዮም፤ ግና ሰላም የለን፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” “ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብተን ካብ ልበን ፈጢረን ዝንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል፤ ኣንፃረን ድማ ተነበየለን። ንነፍሳት ከፈንጥራ፥ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዝሰፍያን፥ ንዅሉ ዓቢይን ንእሽተይን ርእሲ ድማ፥ መጐልበቢ ዝገብራን ወይለአን! ነፍሳት ህዝበይ እተፈንጥራ፥ ነፍስኻትክንዶ ኽተድሕና ኢኽን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢልካ ንገር። “ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፈኽን፥ ነተን ብህይወት ክነብራ ዘይግብአን ነፍሳት ከዓ ህይወተን እናድሓንክን፥ ነቲ ሓሰት ዝሰምዕ ህዝበይ እናሓሰኽን፥ ምእንቲ ዕዅቲ ስገምን ቍራስ እንጀራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣለኽን።” ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነተን ንነፍሳት ከም ኣዕዋፍ እተፈንጥራለን መኼዳታትክን ተሓንየለን ኣለኹ፤ ካብ ቅልፅምክን ድማ ኽቐደን፥ ነተን ነፍሳት፥ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዘፈንጠርክናለን ነፍሳት ሓራ ኸውፅአን እየ። ነቲ መጐልበቢኻትክን ኽቐዶ፥ ንህዝበይ ከዓ ኻብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፤ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኾኑን እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን። “ንልቢ እቲ ፃድቕ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደለኹስ፥ ንስኻትክን ብሓሰት ስለ ዘሕዘንክናኦ፥ እቲ ሓጥእ ካብ መንገዲ ሓጢኣት ከይምለስ እሞ ኸይድሕንስ፥ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕኽን፥ ስለዙይ ከንቱ ራእይ ኣይትሪኣን፤ ድሕሪዙይ ከዓ ጥንቈላ ኣይትጥንቁላን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።” ብዙሓት ካብቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ናባይ መፂኦም፥ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣዖታት ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፤ ነቲ ናይ በደሎም መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፆም ኣቝሞምዎ ኣለዉ፤ ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክጥየቕ እየ?” ስለዙይ ተዛረቦም ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ጣዖታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፥ ነቲ ናይ በደሉ መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፁ ዘቕውም፥ ናብ ነቢይውን እንትመፅእ፥ ኵላቶም ብሰንኪ ጣዖታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፥ ንቤት እስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኽሕዞምስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣዖታቱ ኽመልሰሉ እየ፤ ኢልካ ንገሮም።” ስለዙይ “ንቤት እስራኤል በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ተነስሁ፤ ካብ ጣዖታትኩም ተመለሱ፤ ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ገፅኩም ምለሱ። “ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ መፃእተኛታት ካባይ ዝርሕቕ፥ ንጣዖታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፥ ነቲ ናይ በደሉ መቕሰፍቲ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ገፁ ዘቕውም፥ ንኣይ ክጥይቐሉ ኢሉውን ናብ ነቢይ ዝመፅእ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ። ነዝ ሰብ እዙይ ኣነ ገፀይ ክመልሰሉ፥ ንምልክትን ምሳሌን ከዓ ኽገብሮ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይውን ከፅንቶ እየ፤ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። “ቤት እስራኤል፥ ህዝበይ ክኾኑ፥ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እምበር፥ ድሕሪ ሕዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፥ ሕጊ ብምፍራሶም ከዓ ኸይረኽሱስ፥ እቲ ነቢይ እኳ ተጋግዩ ቓል እንተ ተዛረበ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዘታለልኩዎ፤ ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ፤ በደሎም ድማ ኽፆሩ እዮም፤ በደል እቲ ነቢይ ማዕረ፥ በደል እቲ ጠያቒኡ ክኸውን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ምድሪ የመና ጠሊማ፥ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፥ ኣነ ኸዓ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኹላ፥ ነቲ ምርኩስ እንጀራኣ ድማ እንተ ሰበርኩላ፥ ጥሜት ከዓ እንተ ሰደድኩላ፥ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣፅነትኩላ፥ እዞም ሰለስተ ሰባት ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን ኣብኣ እኳ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ መድሓኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ብሰንኪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብኣኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዘጥፍእዋ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእኸል እታ ሃገር እንተ ሰደድኩ፥ እዞም ሰለስተ ሰባት እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሳቶምስ ንርእሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን፤ እታ ምድሪ ኸዓ ምባደመት። ወይ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ሰይፊ ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ ይሕለፍ ኢለ፥ ሰይፊ ናብታ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ እሞ፥ እዞም ሰለስተ ሰባት እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሳቶም ንርእሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን። “ወይ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ፌራ ናብታ ሃገር እቲኣ እንተ ሰደድኩ፥ ቍጥዓይ ከዓ ብደም እንተ ኣፍሰስኩ፥ ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፥ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን ኣብ ኢየሩሳሌም እንተ ሰደድኩውን፥ እንሆ ዘምልጡን፥ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘምፅኡ ተረፍ ክህልውዋ እዮም። እንሆ ኸዓ፥ ንሳቶም ናባኻትኩም ክመፁ እዮም፤ ንመንገዶምን ግብሮምን ድማ ኽትሪኡ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዅሉን ክትፀናንዑ ኢኹም። መንገዶምን ግብሮምን ምስ ረአኹም፥ ንምፅንናዕኹም ክኾኑ እዮም። ኵሉ እቲ ዝገበርክዎ፥ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኦም ወይኒ እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግስ፥ ብምንታይ እዩ ኻብቶም ካልኦት ኣእዋም ዝበልፅ? ብእኡ ስራሕ ክሰርሑ፥ ካብኡዶ ዕንፀይቲ ይወስዱ እዮም? ኣቕሓ ኽሰቕሉሉኸ ፀዋሪትዶ ኻብኡ ይወስዱ እዮም? እንሆ ምእንቲ ሞዅ ክብል ናብ ሓዊ ይድርበ፥ እቲ ሓዊ ኸዓ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፤ እቲ ማእኸሉውን ይሓርር፤ ንዝኾነ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ? እንሆ፥ ብዳሕናኡ እንተሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፥ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ፥ ከመይ ኢሉ ዝኾነ ስራሕ ክስርሖ ይከአል?” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር፥ ብሓዊ ሞዅ ክብል ዝወፈኽዎ ኦም ወይኒ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኸዓ፥ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እየ፤ ካብ ሓዊ ወፁ፤ ግናኸ ሓዊ ኽበልዖም እዩ፤ ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እንተለኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ስለ ዝጠለሙ፥ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኢየሩሳሌም ርኽሰታ ኣፍልጣ፤” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከምዙይ ይብል ኣሎውን በላ፦ “ዘርእኽን ትውልድኽን ካብ ምድሪ ከነዓናውያን እዩ፤ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፤ እኖኺ ኸዓ ኬጢያዊት እያ። “በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትብቲ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፤ ምእንቲ ኽትፀርዪውን ብማይ ኣይተሓፀብክን፤ ብጨው ኣይተቐባእኽን፤ ብጨርቂውን ኣይተጠቕለልክን። በታ ዝተወለድክላ መዓልቲ፥ ነፍስኺ ስለ ዝተንዓቐ፥ ኣብቲ ጋሕ ዝበለ በረኻ ተደርበኺ፤ ሓደ እኳ እዙይ ክገብረልኪ ኢሉ፥ ራህሪሁ ብለውሃት ቈላሕ ዝበለኪ ዓይኒ የለን። “ብኣኺ እንትሓልፍ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ ክትብሊ እንተለኺ ኸዓ ረአኹኺ እሞ፥ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ፤ እወ፥ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ። ከም በቝሊ ገራሁ ኣእላፋት ገይረ ኣብዛሕኹኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፤ ዓበኺ፤ የመና ኸዓ መልካዕኺ፤ ኣጥባት ኣውፃእኺ፤ ፀጕርኺውን በቘለ፤ ግናኸ ንስኽስ ጥራሕኽን ዕርቕትን ነበርኪ። “ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፥ ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ብማይ ሓፀብኩኺ፤ ካብ ደምኪ ኣፅረኹኺ፤ ብዘይቲ ድማ ቐባእኩኺ። ብወርቀ ዘቦ ዝተጠልፈ ኸደንኩኺ፤ ብቘርበት ኣቆስጣ ሳእኒ ገበርኩልኪ፤ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፤ ብሃሪውን ከደንኩኺ። ሽልማት ሸለምኩኺ፤ ኣብ ቀላፅምኪ ኣምባር፥ ኣብ ክሳድኪ ኸዓ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ። ቀለበት ኣብ ኣፍንጫኺ፥ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፥ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ። በዝ ኸምዙይ ብወርቅን ብሩርን ተሸለምኪ፤ ሻሽን ሃርን መርገፍን ተወንዘፍኪ፤ ፍቱግ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኺ። የመና መልካዕኺ፤ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከዓ በፃሕኺ። በቲ ኣነ ዝሸለምኩኺ ግርማ፥ እቲ መልክዕኺ ፍፁም ኮይኑ እዩ እሞ፥ ወረኺ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ወፀ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ንስኺ ግና ብመልክዕኺ ተኣመንኪ፤ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፤ ንዝኾነ ሓላፊ መንገዲ ንእኡ ኽትኮኒ ምንዝርናኺ ኣብዛሕኺ። ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፥ ብዝንጕርጕር ክዳን ዘጋየፅክዮም መስገዲታት በረኽቲ ስፍራ ንባዕልኺ ሰራሕኺ፤ ኣብኡውን ኣመንዘርኪ፤ ከምዙይ ዝበለስ ኣይተገብረን፤ ደጊምውን ኣይግበርን እዩ። እቲ ኣነ ዝሃብኩኺ ፅቡቕ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ኣልዒልኪ፥ ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፤ ምስኣቶም ድማ ኣመንዘርኪ። ክዳን ወርቀ ዘቦኺ ኣልዒልኪ ኸደንክዮም፤ ዘይተይን ዕጣነይን ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረብኪ። ነቲ ኣነ ዝሃብኩኺ እንጀራ፥ እቲ ብእኡ ዝምግበኪ ዝነበርኩ ፍቱግ ሕሩጭ ስርናይን ዘይትን መዓርን፥ ንመዓዛ ሽታ ኣብ ቅድሚኣቶም ቀረብክዮ፤ እዙይ ተገይሩ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከዓ ምእንቲ ኽውሕጥዎም፥ ኣልዒልኪ ሰዋእኽዮም፤ ንደቀይ ሓሪድኪ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፈኽዮምስ እዝ ምንዝርናኽዶ ውሒዱኪ እዩ? ኣብ ኵሉ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን እንተለኺ፥ ነቲ ጥራሕኽን ዕርቕትን ኴንኪ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን።” “ድሕሪ እዝ ኵሉ ኽፍኣትኪ ወይለኺ! ወይለኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ ብዅሉ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኺ። ኣብ ኵሉ ወሰን መንገዲ ልዕል ዝበለ ስፍራ ገበርኪ፤ ንመልክዕኺ ኣፈንፈንክዮ፤ ንዅሉ ሓላፊ መንገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርአኺ፤ ምንዝርናኽውን ኣብዛሕኺ። ምስቶም ስጋኦም ዝገዘፈ ጐረባብትኺ ግብፃውያን ዘሞኺ፤ ቍጥዓይ ንምልዕዓል ከዓ ዝሙትኪ ኣብዛሕኺ። ስለዙይ “እንሆ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኹ፤ ንምግብኺ ኸዓ ኣጕደልክዎ፤ ንፍቓድ እተን ዝፀልኣኺ በቲ ርኹስ መንገድኺ ዝሓፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፈኹኺ። “ኣይፀገብክን እሞ፥ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ፤ ምስኣቶም ድማ ዘሞኺ፤ ኣይፀገብክንውን። ምስ እዙይ ከዓ፥ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ከነዓን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኺ፤ ግናኸ በዙይውን ኣይፀገብክን።” ኵሉ እዝ ግብሪ እዙይ “እታ ዘይትሓፍር ኣመንዝራ እትገብሪ፥ ኣብ ኵሉ ወሰን መንገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ ኣብ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፥ ዋጋ ስለ ዝነዓቕኪ ኸም ካልኦት ኣመንዝራታት ኣይነበርክን፤ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ኾን እዩ እቲ ልብኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ኾንኪ። ንዅለን ኣመናዝር ውህብቶ ይወሃበን፤ ንስኺ ግና ንዅሎም ፈተውትኺ ውህብቶ ሃብክዮም። ካብ ኵሉ ወገን መፂኦም፥ ምሳኺ ኽዝምዉ ብውህብቶ ሓባበልክዮም። ንምምንዛር ዝስዕበኪ ዘይብልክስ፥ በቲ ምምንዛርኪ ኻልኦት ኣንስቲ ዘይገበራኦ ገበርኪ፤ ንስኺ ክንዲ ናይ ምንዝርናኺ ውህብቶ ምቕባል ምእንቲ ኸተመንዝሪ ውህብቶ ሃብኪ፤ ካልኦት ዘይገበራኦውን ገበርኪ።” ስለዙይ ኣቲ ዘማዊት ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኽዓወ፥ ነውርኺ ኸዓ ስለ ዝተቐልዐ፥ ብሰንኪ ዅሎም እቶም ፍንፉናት ጣዖታትክን፥ ብሰንኪ እቶም ንኣኣቶም ዝወፈኽዮም ደም ደቅኽን፥ ስለዙይ እንሆ፥ ንዅሎም እቶም ዝፈተኽዮምን ንዅሎም እቶም ዝፀላእኽዮምን ክእክቦም እየ፤ ካብ ኵሉ ወገን ንምፅራርኪ ኽእክቦም እየ፤ ኵሉ ዕርቃንኪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቐልዖ እየ። ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ ናይ ቍጥዓን ናይ ቅንኣትን ደም ከምፅአልኪ እየ። ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኸፍርሱ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኽግልብጡ፥ ክዳውንትኺ ኽገፉ፥ ፅቡቕ ሽልማትኪ ኽቕንጥጡ ጥራሕኽን ዕርቕትን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም። “ብዙሓት ሰባት ናባኺ ኸምፅኡ እዮም፤ ንሳቶም ከዓ፥ ብእምኒ ኽቐትሉኺ፥ ብሰይፎም ድማ ኽቘራርፁኺ እዮም። ነባይትኺ ብሓዊ ኸባርዕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኽፈርዱኺ እዮም፤ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፤ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይትህብን ኢኺ። በዝ ኸምዙይ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀልኪ፥ ቅንኣተይ ከዓ ኽርሕቐልኪ እዩ፤ ክሃድእ፥ ብድሕሪዙይውን ኣይቝጣዕን እየ። ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን እሞ፥ ብዅሉ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ኣቘጢዕኽኒ ኢኺ እሞ፥ እንሆ ኣነውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኪ፥ እዝ ነውሪ እዙይ ከይትውስኽስ መንገድኺ ኣብ ርእስኺ ኽመልሶ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “እንሆ እቶም ዝምስሉ ዅላቶም ‘ከምታ እኖ፥ ከምኡውን እታ ጓላ’ ኢሎም ብኣኺ ኽምስሉ እዮም። ንስኺ፥ እታ ንሰብኣያን ደቃን ዝፀልአት ጓል እኖኺ ኢኺ። ንስኺ ሓፍቲ እተን ንሰብኡተንን ደቀንን ዝፀልኣ ኣሓትኪ ኢኺ። እኖኺ ኬጢያዊት ኣቦኺ ኸዓ ኣሞራዊ ነበሩ። “እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ፀጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓፍትኺ ሰማርያ እያ፤ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽተይ ሓፍትኺ ኸዓ ሰዶም እያ። ንስኺ ግና ብመንገደን ኣይከድክን፤ ከምቲ ፅዩፍ ነገረን ከዓ ኣይገበርክን። እዙይ ቀሊሉክስ ብዅሉ መንገድኺ ደኣ ኻብኣተን ገደድኪ። “ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሰዶም ሓፍትኺ ንሳን ኣዋልድ ደቃን፥ ከምቲ ንስኽን ኣዋልድ ደቅኽን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን። እንሆ እቲ ሓጢኣት ሰዶም ሓፍትኺ እዙይ ነበረ፤ ትዕቢትን ፅጋብ እንጀራን ምዝላልን ስራሕ ምፍታሕን ትህኺትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልድ ደቃን ነበረ፤ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን። ዕቡያት ነበራ፤ ኣብ ቅድመይ ከዓ ዘፀይፍ ነገር ገበራ፤ እዙይ ምስ ረአኹ ድማ ኣጥፋእኽወን። “ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ርኽሰትኪ ኻብኣተን ኣብዛሕኺ፤ ብዅሉ እቲ ዝገበርክዮ ርኽሰትክውን ነሓትኪ ኣፅደቕክየን። ንስኺ ኸዓ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሸከሚ፤ በቲ ኻብኣተን ዝረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ፥ ንሳተን ካባኺ ይፀድቃ፤ ነሓትኪ ኣፅዲቕክየን ኢኺ እሞ፥ ሕፈሪ ነውርኺውን ፁሪ።” “ነውርኺ ኽትፆሪ፥ በቲ ዅሉ ዝገበርክዮ ኸዓ ኽትሓፍሪ፥ በዝ ኸምዙይ ድማ ኽተፀናንዕየንስ ምርኮኣተን፥ ምርኮ ሰዶምን ኣዋልድ ደቃን፥ ምርኮ ሰማርያን ኣዋልድ ደቃን፥ ምርኮ እቶም ኣብ ማእኸለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ። ኣሕዋትኪ ሰዶምን ኣዋልድ ደቃን፥ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን፤ ሰማርያን ኣዋልድ ደቃን፥ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን። ከምቲ ብኣዋልድ ደቂ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎምን፥ በተን ኣብ ኵሉ ወገን ዘነውራኪ ዝነበራ ኣዋልድ ደቂ ፍልስጥኤማውያንን፥ እተፀረፍክሉ ጊዜ ኽፍኣትኪ ኸይተቐልዐ እንተሎ፥ በቲ መዓልቲ ዅርዓትኪ እታ ሓፍትኺ ሰዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተጠቐሰትን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዓቕኪ ኢኺ፤ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፤ ይብል ኣሎ እሞ፥ ምንዝርናኽን ርኽሰትክን ትፆሪ ኣለኺ” ይብል እግዚኣብሄር። “ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክሮ፥ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ ኸፅንዐልኪ እየ። ነተን ካባኺ ዝዓብያን ዝንእሳን ኣሕዋትኪ ኽትቅበልየን እንተለኺ ብኺዳንኪ ዘይኮነስ፥ ኣዋልድኪ ክኾና ኽህበኪ እንተለኹ፥ ሽዑ መንገድኺ ኽትዝክርን ክትሓፍርን ኢኺ። ኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሓንኪ፥ ካብ ምሕናኽ እተልዓለ ኣፍኪ ኸቶ ኸይትኸፍቲ፥ ኪዳነይ ከፅንዐልኪ እየ፤ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊተይ ንገሮም፤ ምስላውን መስለሎም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ ገዚፍ ዘኽናፉ፥ ነዊሕ ዝመንገብገቡ ዝንጕርጕር ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ናብ ሊባኖስ መፀ እሞ፥ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ፅሕዲ ወሰደ። ነቲ ርእሲ ጨንፈር ሰልዖ፤ ናብ ምድሪ ከነዓንውን ወሰዶ፤ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸዓ ኣንበሮ። ካብታ ምድሪ ድማ ፈልሲ ወሰደ፤ ኣብ ፍርያም ግራት ከዓ ተኸላ፤ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ኸም ኲሓ ገይሩ ስፍራ ኣትሓዛ። ንሳ ዓበየት፤ ጨናፍራ ናብኡ ሱራ ኸዓ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፥ ሓፂር ዝጕንዳ ኦም ወይኒ ኾነት፤ በዝ ኸምዙይ ጨንፈር እትጭንፍርን ጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ኾነት። “ገዚፍ ዝኽንፉ፥ ብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ድማ ነበረ፤ እንሆ ኸዓ፥ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፥ ንሱ ማይ ከስትያ ኢላ፥ ካብቲ እተተኸለቶ ቦታ፥ ናብኡ ኣቢላ ሱራ ዘርግሐት፤ ሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣስፍሐት። ጨናፍር ምእንቲ ኽተውፅእ፥ ፍረ ኽተፍሪ፥ ክብርቲ ኦም ወይኒ እውን ክትከውንስ፥ ኣብ ፅቡቕ ግራት፥ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት።” በለ ድማ፥ “ክተልምዕዶ እያ? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ምእንቲ ኽትነቅፅስ ሱራዶ ኣይንቀልን? ፍሪኣኸ ኣይቝረፅን ድዩ? እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዅሉ ቘፅልኸ ኣይነቅፅን ድዩ? ሱራ ንምብቋስ፥ ሓያል ቅልፅምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ። እንሆ ምትካልስ ተተኺላ ኣላ፤ እሞ ኽትለምዕ ድያ? ንፋስ ምብራቕ ምስ ነኽኣኸ፥ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይትነቅፅን እያ? ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅፅ እያ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “እምበኣርከስ ነዝ ዓማፂ ቤት እዙይ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም። ንገሮም ድማ፥ “እንሆ እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ንንጉሳን መሳፍንታን ማሪኹ፥ ናብኡ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። እታ መንግስቲ ኽትሓምቕ እሞ ኸይትትስእ፥ ብምሕላው ኪዳና ኸዓ ምእንቲ ኽትቀውምስ፥ ካብ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ወሲዱ፥ ምስኡ ኺዳን ኣተወ፤ ማሕላ ድማ ኣምሓሎ፤ ነቶም ኣውራታት እታ ምድሪ እውን ምስኡ ወሰዶም። ግናኸ ንሱ ኻብኡ ኸድዐ፤ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ክህብዎ፥ ልኡኻቱ ናብ ግብፂ ሰደደ፤ ክሰልጦ ድዩ? ኸምዙይ ዝበለ ዝገብርከ ኸምልጥ ድዩ? ጠላሚ ኺዳንከ የምልጥ ድዩ? “ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዝነብረላ ዘሎ ቦታ፥ ናይቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ ኺዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፥ ምስኡ ኾይኑ ኣብ ማእኸል ባቢሎን ኣብኣ ኽመውት እዩ። ብዙሕ ሰብ ክቐትሉ ኢሎም፥ ዕርዲ ኽዕርዱን ግንቢ ኽሰርሑን እንተለዉ ፈርዖን ከዓ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኮይኑ፥ ኣብ ውግእ ኣይረድኦን እዩ። ነቲ ኺዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑ፥ ኢድ ጠቒዑ እዝ ዅሉ ገይሩ እዩ እሞ፥ ኣየምልጥን እዩ።” ስለዙይ “ኣነ ህያው እየ፤ እቲ ዝነዓቖ ማሕላይን እቲ ዘፍረሶ ኺዳነይን፥ ብርግፅ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “መርበበይ ክዝርግሐሉ እየ፤ ብመፈንጠረይ ከዓ ኽተሓዝ እዩ፤ ናብ ባቢሎን ድማ ኽወስዶ፥ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዓመፀሉ ዓመፃ ኽፋረዶ እየ። እቶም ዝሃድሙ ዅሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኽወድቁ፥ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዝረዉ እዮም” ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝተዛረብኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ኸዓ ኻብ ርእሲ እቲ ነዊሕ ፅሕዲ ጨንፈር ወሲደ ኸንብሮ እየ፤ ካብቲ ላዕለዋይ ጠጥዒ፥ ሓንቲ ለይለይ እትብል ሰሊዐ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ እምባ ኽተኽላ እየ። ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ክተኽላ እየ፤ ክትጭንፍርን ክትፈርን ግሩም ዝኾነት ፅሕዲውን ክትከውን እያ፤ ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወንን ኣብ ትሕቲኣ ኽነብራ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ጨናፍራውን ይሰፍራ እየን። ኵለን ኣእዋም በረኻ ከዓ፥ ነታ ነዋሕ ኦም ትሕት ዘበልኩ፥ ነታ ትሕት ዝበለት ኦም ከዓ ልዕል ዘበልኩ፥ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀፅኩ፥ ነታ ንቕፅቲ ኦም ከዓ ዘጠጣዕኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ኣነውን ክገብሮ እየ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ስለ ምንታይ ኢኹም ኣብ ምድሪ እስራኤል፥ ‘ኣቦታት መፂፅ ዘቢብ በልዑ እሞ፥ ነስናን እቶም ውሉድ ከኸወ’ ኢልኩም እትምስሉ? “ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ እዝ ምስላ እዙይ ድሕሪዙይ ኣብ እስራኤል ኣይትምስልዎን ኢኹም። እንሆ ዅለን ነፍሳት ናተይ እየን፤ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ፥ ከምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ። “ፃድቕ ሰብ እንተ ሃለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥ ኣብ እምባታት እንተ ዘይበልዐ፥ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣዖታት ቤት እስራኤል ቈላሕ እንተ ዘይበላ፥ ሰበይቲ ብፃዩ እንተ ዘየርከሰ፥ ብጊዜ ፅጊኣ ኸዓ ናብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ፥ ንሓደ እኳ እንተ ዘይገፍዐን፥ ንበዓል ዕዳ ትሕጃ እንተ መለሰሉ፥ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዓመፀ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ እንተ ሃበ፥ ንዕሩቕ ከዓ ኽዳን እንተ ኸደነ፥ እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሀረፀን ኢዱ ኻብ ዓመፅ እንተ ኸልከለ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ከዓ ቕንዕና እንተ ፈረደ፥ ብሕግጋተይ እንተ ተመላለሰ፥ ፅድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሓለወ፥ ንሱ ፃድቕ እዩ፤ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ግናኸ ንሱ፥ ዓማፂ፥ ደም ዘፍስስ፥ ካብዝ ነገር እዙይ ከዓ ዝኾነ ኻልእ ዝገብር ውሉድ እንተ ወለደ፥ ፃድቕ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ዘይገብር፥ ኣብ እምባታት ዝበልዕ፥ ሰበይቲ ብፃዩ ዘርክስ፥ ንምስኪንን ንድኻን ዝገፍዕ፥ መንዚዑ ዝወስድ፥ ትሕጃ ዘይመልስ፥ ኣዒንቱ ናብ ጣዖታት ዝጥምት፥ ፅዩፍ ነገር ዝገብር፥ ዘኻዕብትን ዘህርፅን ንሱዶ ብህይወት ክነብር እዩ? ንሱ ኣይነብርን፤ እዝ ዅሉ ፅዩፍ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፥ ሞት ክመውት፥ ደሙ ኸዓ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ። “እንሆ ኸዓ፥ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት ሪኡ ዝፈርሕን፥ ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር፥ ኣብ እምባታት ዘይበልዕ፥ ኣዒንቱ ድማ ናብ ጣዖታት ቤት እስራኤል ቈላሕ ዘየብል፥ ሰበይቲ ብፃዩ ዘየርክስ፥ ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፥ ትሕጃ ዘይሕዝ፥ መንዚዑ ዘይወስድ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ ዘብልዕ፥ ንዕሩቕውን ክዳን ዝኸድን፥ ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዝመልስ፥ ሃረፃን ወለድን ዘይወስድ፥ ፍርደይ ዝገብር፥ ብሕገይ ዝመላለስ፥ ንሱ ብህይወት ይነብር እምበር፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦኡ ኣይመውትን እዩ። ኣቦኡ ዓመፀኛ ስለ ዝነበረ፥ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድአ፥ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ኸዓ ሰናይ ዘይኮነ ስለ ዝገበረ፥ እንሆ ብበደሉ ኽመውት እዩ። “ንስኻትኩም ግና ‘ስለ ምንታይ እዩ፥ እቲ ወሉድስ ሓጢኣት ኣቦኡ ዘይፀውር?’ ትብሉ ኣለኹም፤ እቲ ውሉድ ቅንዕናን ፅድቅን ገይሩ፥ ንዅሉ ሕግጋተይ ሓልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፥ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት፤ ውሉድ፥ ሓጢኣት ወላዲኡ ኣይፀውርን፤ ወላዲውን፥ ሓጢኣት ውሉዱ ኣይፀውርን እዩ፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ፥ ኣብ ርእሱ እዩ ዝኸውን። “ግናኸ እቲ ሓጢኣተኛ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ኵሉ ሕግጋተይ ከዓ እንተ ሓለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ድማ እንተ ገበረ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን እዩ። ካብቲ ዝበደሎ በደልስ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከረሉን፤ በቲ ዝገበሮ ፅድቂ ብህይወት ክነብር እዩ። ሓጢኣተኛዶ ኽመውት እፈቱ እየ? ፍታወይስ ካብ መንገዱ ኽምለስ፥ ብህይወት ከዓ ኽነብርዶ ግዳ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “እቲ ፃድቕከ ኻብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ፥ ከምቲ ሓጢኣተኛ ዝገብሮ ዅሉ ፅያፍ ነገርውን እንተ ገበረ፥ ብህይወትዶ ኽነብር እዩ? ኻብቲ ዝገበሮ ፅድቂ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከርን እያ፤ በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ክመውት እዩ። “ንስኻትኩም ግና፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ትብሉ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ኣቱም ቤት እስራኤል እስኪ ስምዑ፤ መንገደይ ድዩ ዘይቅኑዕ? ዘይቅኑዕስ መንገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኮነን? ፃድቕ ካብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ብእኡ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ በደል እዩ ዝመውት። ግናኸ እቲ ሓጥእ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ከንብራ እዩ። ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ በደል ኣስተንቲኑ ስለ ዝተመለሰ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን። ግናኸ ቤት እስራኤል፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩ፥ ይብሉ ኣለዉ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ብሓቂዶ መንገደይ እዩ ዘይቅኑዕ? ዘይቅኑዕስ መንገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኮነን?” ስለዙይ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም መዐንቀፊ ኸይኾነኩምስ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ተመለሱ። ነቲ ዝበደልኩምዎ በደል ካባኻትኩም ደርብዩ፤ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ንኣኻትኩም ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይ እትሞቱ? ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ ተመለሱ፤ ብህይወት ከዓ ንበሩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንስኻ ኸዓ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፤ በል ድማ፦ ኣብ ማእኸል ሽደናት ኣናብስ ንዀራዅራ ኣዕበየቶም። ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ። ብሰንሰለት ገይሮም ናብ ሃገር ግብፂ ወሰድዎ። ሽደን ኣንበሳውን ገበረት። ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ። ኢር ኢሉ ምስ ጓዘመ፥ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ራዕራዕ በለ። መርበቦም ዘርግሑሉ፤ ኣብ ጕድጓዶም ድማ ተትሓዘ። ኣብ ፅኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ። ሳላ ብዝሒ ማያት እትጥጥዕ ሃረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ኾነት። ነዋሕን ሃረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፥ እትረአ ኾነት። ሓዊውን በልዖ። ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣፃምእ ተተኺላ ኣላ። እዚኣ ልቕሶ እያ፤ ከም መልቀስ ትለቐስ። ኮነ ኸዓ፥ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት፥ ኣብቲ ሓምሻይ ወርሒ፥ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፥ ብዙሓት ሰባት ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ክጥይቑ መፂኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል ‘ክትጥይቑኒዶ መፂእኹም?’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣነ ህያው እየ፥ ብኣኻትኩም ኣይጥየቕን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ኢልካ ንገሮም። “ክትፈርዶም ዲኻ? ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርዶም ዲኻ? ርኽሰት ኣቦታቶም ኣፍልጦም። በሎምውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በታ ንእስራኤል ዝሓረኹላ መዓልቲ፥ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ዝመሓልኩሎም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ ዝተገለፅኩሎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ ኢለውን ዝመሓልኩሎም፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም። ኣነ ኸዓ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ርኽሰት ዓይኑ ይደርቢ፤ ብጣዖታት ግብፂ ድማ ኣይትርከሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ በልክዎም። ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ርኽሰት ዓይኑ ኣይደርበየን፤ ጣዖታት ግብፂውን ኣይሓደገን፤ ሽዑ ኣብ ማእኸል ምድሪ ግብፂ፥ ቍጥዓይ ክወፀሎምስ መዓተይ ኣብ ልዕሊኣቶም ክኽዑ እየ በልኩ። ግናኸ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነበሩ እሞ፥ ኣነ ንኣኣቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ብምውፅአይ ኣብ ቅድሚኣቶም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት ስመይ ከይረክስ ኢለ እየ ዝገበርክዎ። “ካብ ሃገር ግብፂ ኸዓ ኣውፃእኽዎም፤ ናብ በረኻውን ኣምፃእኽዎም። ሕግጋተይ ሃብክዎም፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ፍርደይ ከዓ ኣፍለጥክዎም። ኣብ ርእሲ እዙይ ከዓ እቲ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኣቶምን ምልክት ምእንቲ ክኾና ኢለ ሰናብተይ ሃብክዎም። ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፤ ከም ትእዛዛተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ሕግጋተይ ከዓ ኣበይዎ፤ ንሰናብተይውን የመና ኣርከስወን፤ ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምስ ቍጥዓይ ደኣ ኽኽዕወሎም በልኩ። ግናኸ ምእንቲ ስመይ፥ ካብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኣቶም ዘውፃእኽዎ ህዝብታት፥ ስመይ ከይረክስ ኢለ፥ ስለ ስመይ እየ ዝገበርክዎ። ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።” ግናኸ ዓይነይ ራህርሀትሎም እምበር ኣየጥፋእኽዎምን፤ ኣብቲ በረኻውን ፈፂመ ኣይወዳእኽዎምን። ኣብ ምድረ በዳ ኸዓ ንደቆም፥ “ከምቲ ሕግጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፤ ስርዓቶም ድማ ኣይትሓልዉ፤ ብጣዖታቶምውን ኣይትርከሱ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ከም ሕግጋተይ ተመላለሱ፤ ስርዓተይ ከዓ ሓልዉ፤ ግበርዎውን። ንሰናብተይ ቀድሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ክኾና እየን። “ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፤ ከም ሕግጋተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብሩሉ ስርዓተይ ክገብርዎ ኢሎም ኣይሓለውዎን፤ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ ምድረ በዳ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም ቍጥዓይውን ክኽዕወሎም እየ፤ በልኩ። ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፤ ምእንቲ ስመይ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኣቶም ዘውፃእኽዎም ኣህዛብ፥ ስመይ ከይትሓስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ። ሕግጋተይ ኣበዩ፤ ንሰናብተይ ኣርከሱ፤ ኣዒንቶም ንጣዖታት ኣቦታቶም ሰዓባ እምበር ስርዓተይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፥ ኣነ ኣብ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ናብ ሃገራት ክብትኖም እየ፥ ኢለ ኣብቲ ምድረ በዳ መሓልኩ። “ምስ ናይ እዙይ ኣነውን ፅቡቕ ዘይኮነ ሕግጋት፥ ብህይወት ክነብሩሉ ዘይከኣሎም ስርዓታት ሃብክዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ከባድሞም ኢለ በቲ ዅሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ፥ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎ።” ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ በዙይ ድማ ኣቦታትኩም ንኣይ ብምጥላሞም ፀረፉኒ። ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ። ኣነ ኸዓ ‘እዝ ናብኡ እትኸድዎ ዘለኹም በሪኽ እንታይ እዩ?’ በልክዎም። በዝ ኸምዙይ ስሙ ኽሳዕ ሎሚ ‘ባማ’ ይብልዎ ኣለዉ። ስለዙይ ንቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ ንስኻትኩም ከም መንገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኸስኩም፤ ነቲ ዘፀይፍ ነገሮም እናሰዓብኩም ዘሞኹም። መባእኹም ክተቕርቡ፥ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኽተሕልፉ እንተለኹም፥ ክሳዕ ሎሚ ብዅሉ ጣዖታትኩም ትረኽሱ ኣለኹም፤ ኣቱም ቤት እስራኤል እሞኸ ኣነዶ ብኣኻትኩም ክጥየቕ እየ? ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብኣኻትኩም ኣይጥየቕን እየ። ንሕና ኸምቶም ኣህዛብን ዓሌታት ሃገራትን፥ ንዕንፀይትን እምንን ከነምልኽ ኢና፥ ዝብል ሓሳብ ልብኹም ኣይፍፀመልኩምን።” “ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን ርግፅ ክነግሰኩም እየ። ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን፥ ካብቶም ኣህዛብ ከውፅአኩም፥ ካብቲ እተበተንኩምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ። ናብ ምድረ በዳ ኣህዛብ ከዓ ኽወስደኩም፥ ኣብኡውን ገፅ ንገፅ ምሳኻትኩም ክፋረድ እየ። ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ ግብፂ እተፋረድኩ፥ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋረድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፥ ናብ መእሰሪ ኪዳን ከዓ ኸእትወኩም እየ። ነቶም ኣባይ ዝዓመፁን ዝኸድዑን፥ ካባኻትኩም ክፈልዮም፥ ካብቲ ጓና ኾይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከዓ ኸውፅኦም እየ፤ ግናኸ ናብ ምድሪ እስራኤልስ ኣይኣትዉን እዮም፤ ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።” ኣቱም ቤት እስራኤል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስማዕ ካብ ኣበኹምንስ፥ ኪዱ ነፍሲ ወከፍኩም ንጣዖታትኩም ኣምልኹ፤ ድሕሪዙይ ግና ንቕዱስ ስመይ ብመባእኹምን ብጣዖታትኩምን ኣይተርክስዎን ኢኹም። ኣብቲ ቕዱስ እምባይ ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ኵሎም ቤት እስራኤል፥ ኣብታ ምድሪ ኸምልኹኒ እዮም፤ ኣብኡ ተሓጕሰ ኽቕበሎም እየ፤ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ በዅሪ እቶት መባእኹምን ምስ ኵሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ካብ ኣህዛብ ምስ ኣውፃእኹኹም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፥ ከም ምዑዝ ሽታ ኽቕበለኩም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣህዛብ ከዓ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ። ንስኻትኩምውን ናብ ምድሪ እስራኤል፥ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ፥ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኹኹም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡ ኸዓ ንመንገድታትኩምን ነቲ ዝረኸስኩምሉ ግብርኹምን ክትዝክሩ ኢኹም፤ በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ንርእስኹም እትፅየፉ ኢኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል ከምቲ ክፉእ መንገድኹምን፥ ከምቲ ብልሽዊ ግብርኹምን ዘይኮነስ፥ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፥ ናብ ደቡብ ከዓ ቓልካ ኣንጠብጥብ፤ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር በረኻ ድማ ተነበየሉ። ነቲ ዱር ደቡብ ከዓ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ ኢልካ ንገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣባኻ ሓዊ ኽእጕድ እየ። ነተን ኣባኻ ዘለዋ ዅለን ጥሉላት ኣእዋምን፥ ንዅሉ ንቑፃት ኣእዋምን ሞዅ ኸብለን እዩ። እቲ ነዳዲ ሃልሃልታ ድማ ኣይጠፍእን፤ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ከዓ፥ ኵሉ ገፅ ብእኡ ኽነድድ እዩ። ኵሉ ስጋውን እቲ ዝኣጐዶስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽርኢ እዩ።” ሽዑ ኣነ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ወዮ! ‘ንሳቶም ብዛዕባይ፥ ምስላታት እዩ ዝምስል’ ይብሉ ኣለዉ” በልኩ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፤ ቃልካ ኸዓ ናብቲ ቅዱስ ስፍራታት ተናገር፤ ንምድሪ እስራኤል ከዓ ኣንፃራ ተነበየላ። ነታ ሃገር እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ እኒሀኹ ኣንፃርኪ እየ፤ ሰይፈይ ከዓ ኻብ ሰገባኡ ኽመዞ፥ ካባኺውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ከጥፍእ እየ። ንፃድቃንን ሓጥኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ስለዙይ ንዅሉ ስጋ ኽወቅዕ፥ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን፥ ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኽምዘዝ እዩ። ስጋ ዝለበሱ ዅሎም ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣይምለስን ድማ እዩ።” “ስለዙይ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቈዝም፤ ሕቘኻ ብምጕባጥ ኣምሪርካ ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ብኸ። ክኸውን ከዓ እዩ፥ ‘እንታይ ኴንካ ትቝዝም?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝመፅእ ወረ ልቢ ኽመክኽ፥ ኵለን ኣእዳው ድማ ኽለምሳ እየን፤ ኵሉ መንፈስ ከዓ ኽሕለል፥ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ክፈስስ እዩ፥ በሎም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ፤ ክፍፀም ድማ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በልውን፤ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰይፊ! ሰይፊ! በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ፤” በል። “ምእንቲ ኽሓርድ በሊሑ፥ ምእንቲ ማሕማሕ ክብል ተወልዊሉ፤ እምበኣርከስ ብእኡዶ ኽንሕጐስ ኢና? በትሪ ወደይ ንዅለን ኣዕፃው ትንዕቐን ኣላ። ብኢድ ምእንቲ ኽተሓዝ ክውልወል ሃቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኽውፈ ተስሓለን ተወልወለን። ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዙይ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣእዊ፤ ዋይ ዋይ ከዓ በል፤ ንሳቶም ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተውሂቦም እዮም፤ ስለዙይ ሰለፍካ ውቓዕ። ፈተና መፀ፤ እታ ዝተንዓቐት በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ እንታይ ደኣ እዩ?” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በእዳውካ ኸዓ ኣጣቕዕ፤ ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይደጋግም፤ ዝኸቦም ናይቲ ዝተቐትለ ዓብዪ ሰብ ሰይፊ እዩ። ልቦም ምእንቲ ኽመክኽ ዕንቅፋቶም ከዓ ኽበዝሕስ፥ ዝቐትል ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደገታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ፤ ወዮ! ኸም በርቂ መስመስ ይብል፤ ክሓርዱሉ ኸዓ ተስሒሉ ኣሎ። ተዳሊኻ፥ ገፅካ ናብ ዝፈተዎ ንየማን ወይ ንፀጋም ኪድ። ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፥ ሕነ መዓተይውን ከምፅእ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።” መሊሱውን ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዝሓልፈለን ክልተ መንገዲ ንኣኻ ግበር፤ ክልቲአን ካብ ሓደ ምድሪ ይውፅኣ፤ ምልክት ከዓ ግበር፤ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መንገዲ ግበሮ። ሰይፊ ናብ ራባት፥ ናይ ደቂ ኣሞን፥ ናብ ይሁዳ ኸዓ ናብታ ዕርድቲ ኢየሩሳሌም ክመፅእስ መንገዲ ኽትገብር ኢኻ። እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽጥንቍል፥ ኣብታ ቐራና መንገዲ ኣብ ርእሲ ኽልቲአን መንገዲ ደው ኢሉ ኣሎ፤ ፍላፃታት የንበጥብጥ፤ ንጣዖታት ቤቱ ይጥይቕ፤ ንኸብዲውን ይጥምት ኣሎ። ኣብኡ መፍረሲ ዕርዲ ኽተክል፥ ንፈኸራ ውግእ ኣፉ ክኸፍት፥ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኽጭድር፥ ኣብ መንፅር ደገታት ከዓ መፍረሲ ዕርዲ ኸቕውም፥ ሓመድ ኵዒቱውን ዕርዲ ኽነድቕ፥ ኣብ የማነይቱ ናብ ኢየሩሳሌም እተመልክት ዕፃ ነበረት። ማሕላ ምሒሎም እናሃለዉስ፥ እዝ ጥንቈላ እዙይ ሓሰት ኮይኑ ኽረኣዮም እዩ፤ ንሱ ግና ምእንቲ ኽትሓዙ ሓጢኣቶም ከዘክር እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ገበንኩም ተቐሊዑ፥ ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣዩ፥ ሓጢኣቱ ስለ ዘዘከረኩም ዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፥ ስለዙይ ብሓያል ኢድ ክትተሓዙ ኢኹም” ይብል ኣሎ። “ኣታ በዝ ሓጢኣትካ ዝፍፀመሉ፥ ጊዜ መዓልትኻ ዝበፅሐ ርኹስ ሓጥእ ሓለቓ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዘውዲ ቐንጥጥ፤ ኣኽሊል ኣውፅእ፤ እዙይ ከም ዘለዎ ኾይኑ ኣይነብርን እዩ፤ እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፤ እቲ ልዕል ዝበለ ኸዓ ይዋረድ። ጥፍኣት! ጥፍኣት! ጥፍኣት ካባይ ክመፃ እዩ፤ እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ በዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዝመፅእ እዙይ ኣይነብርን እዩ።” ንስኻ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣሞንን ብዛዕባ ፀርፎምን ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ትንቢት ተናገር፤ በልውን፦ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዝ ሓጢኣት ዝፍፀመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበፅሐ ቕቱላት ሓጥኣን ከንብሩኽስ ከንቱነት ክሪኡልኪ ጥንቈላ ሓሰት ከዓ ኽናገሩልኪ እንተለዉ ሰይፊ፥ ሰይፊ፥ ተመሊሑ ኣሎ፤ ክሓርድን ክጐምድን መስመስ ክብልን ተወልዊሉ ኣሎ። “ናብ ሰገባኡ ኽተቶ፤ ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ ኣብታ እተወለድካላ ምድሪ ኽፈርደካ እየ። ንቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፥ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፥ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ። ብልዒ ሓዊ ኽትከውን ኢኻ፤ ደምካ ኣብ ማእኸል ምድሪ ኽፈስስ እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ ዝዝክረካ የለን።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርድዶ ኢኻ? ነዛ ኸተማ ደምዶ ኽትፈርዳ ኢኻ? እምበኣርከስ ኵሉ ርኽሰታ ኣፍልጣ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎውን በል፤ ጊዜኺ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ኣብ ማእኸላ ደም እተፍስሲ፥ ንርእስኺ ኽተርክሲ ኸዓ ጣዖታት እትገብሪ ኸተማ፥ በቲ ዘፍሰስክዮ ደም በደልኪ፤ በቲ ዝገበርክዮ ጣዖታት ድማ ረኸስኪ፤ መዓልቲታትኪ ኣቕረብኪ፤ ዓመታትኪውን ኣሕፀርኪ፤ ስለዙይ ንኣህዛብ መፃረፊ፥ ንዅሉ ሃገራት ከዓ መላገፂ ገበርኩኺ። ኣቲ ርኹስ ዝወረኺ ዕግርግር ዝመልአኪ፥ ዝቐረቡኽን ዝረሓቑኽን ከላግፁልኪ እዮም። እንሆ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ። ኣባኺ ነቦን ንኖን ነዓቑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ንመፃእተኛ ገፍዑ፤ ኣባኺ ንደኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ። ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዓቕኪ፤ ንሰናብተይ ኣርከስኪ። ንምፍሳስ ደም ከተርቲ ሰባት ኣባኺ ነበሩ፤ ኣባኺ ኣብቶም ኰረብታታት በልዑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ዝሙት ገበሩ። ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ቐልዑ፤ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም ፅገኣ ኣዋረዱ። ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ርኽሰት ገበረ፤ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፤ ሓደ ኻሊእውን ኣባኺ ንሓፍቱ፥ ጓል ኣቦኡ ኣነወረ። ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “እንሆ እምበኣር በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕኽዮን፥ በቲ ኣብ ማእኸልኪ ዘፍሰስክዮ ደምን፥ ኢደይ ኣጣቓዕኹ። በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገብረላ መዓልትስ፥ ልብኽዶ ኽቐውም እዩ? ወይ ኣእዳውኪ ኽፀንዓ ድየን? ኣነ እግዚኣብሄር እየ፥ ዝተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ። ኣነ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ፋሕ ከብለኪ፥ ናብ ሃገራት ከዓ ኽብትነኪ፥ ንርኽሰትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ። ብሰንኪ ርእስኺ ኣብ ቕድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጢ ኢኺ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ቤት እስራኤል ሓተላ ኾኑኒ፤ ኣብ ማእኸል እቶን ከዓ፥ ኵላቶም ነሃስን ቈርቆሮን ሓፂንን ዓረርን እዮም፤ ሓተላ ብሩርውን ኮኑ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵልኻትኩም ሓተላ ኢኹም እሞ፥ ስለዙይ እንሆ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ክእክበኩም እየ። ከምቲ ኽመክኽ ኢሎም፥ ሓዊ ምእንቲ ኽነፍሑሉ ንብሩርን ነሃስን ሓፂንን ዓረርን ቈርቆሮን፥ ኣብ ማእኸል እቶን ዝእክብዎ፥ ከምኡ ኸዓ ብቝጥዓይን ብመዓተይን ክእክበኩምን፥ ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ። ክእክበኩም፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኽነፍሐልኩም እየ፤ ኣብ ማእኸላውን ክትመኩ ኢኹም። ከምቲ ብሩር ኣብ ማእኸል እቶን ዝመክኽ፥ ከምኡ ኣብ ማእኸላ ኽትመኩ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ቍጥዓይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣ፥ ንስኺ ዘይፀረኺ፥ ብመዓልቲ ቝጥዓውን ዝናም ዘይዘነመኪ ምድሪ ኢኺ ኢልካ ንገራ። ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነቢያታ ተማሓሒሎም ኣለዉ፤ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዝጓዝም ኣንበሳ፥ ነፍሳት ወሓጡ፤ መዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፤ ኣብ ማእኸላውን መበለታት ኣብዝሑ። ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፤ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፤ ነቲ ቕዱስ፥ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፤ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈለጡን፤ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ኣነውን ኣብ ማእኸሎም ረኸስኩ። ኣሕሉቓ ኣብ ውሽጣ ብዘይ ቅንዕና ኽረብሑስ፥ ደም እናፍሰሱ ንነፍሳት እናጥፍኡ፥ ከምቶም ንግዳይ ዝሰላልዑ ተዃሉ እዮም። ነቢያታ ከንቱነት እናረአዩ፥ ሓሰት እናጠንቈሉሎም እግዚኣብሄር ዘይተዛረበስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ እናበሉ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ለቕለቑሎም። እቲ ህዝቢ እታ ምድሪ ዓመፀ፤ ከተረ፤ ንሽጉርን ንድኻን ገፍዖ፤ ንመፃእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቖ። ኣነ ኸየጥፍኣስ፥ ነቲ ቕፅሪ ዝፅግን፥ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ዝፈረሰ ዝቐውም፥ ኣብ ማእኸሎም ሓደ ሰብኣይ ደለኹ፤ ግናኸ፥ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ ኽልተ ኣንስቲ ነበራ። እዚኣተን ኣብ ግብፂ ኣመንዘራ። ገና ኣጓላት እንተለዋ ኣመንዘራ ኣጥባተን ዘቐቐ፤ ኣጥባት ድንግልናአን ኣብኡ ተዳህሰሰ። ስማተን ከዓ እታ ዓባይ ኦሆላ፥ እታ ሓፍታ ድማ ኦሆሊባ፥ ይበሃላ ነበራ፤ ናተይ ኮና፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳ፤ ስማተን ከዓ ኦሆላ ሰማርያ እያ፤ ኦሆሊባ ድማ ኢየሩሳሌም እያ። ኦሆላ ኸዓ ናተይ እንተላስ ዘመወት፤ ፍትወታ ኣብቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ኾነ። ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸደኑ መሳፍንትን መኳንንትን፥ ኵላቶምውን መልክዐኛታት ኣጓብዝ፥ ኣብ ኣፍራስ ዝቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ። ምስ ኵላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከዓ ኣመንዘረት፤ ፍትወት ኣብ ዝተልዓላ ድማ፥ ምስ ኵሎም ጣዖታቶም ረኸሰት። ምስ ናይ እዙይ ከዓ ነቲ ምስቶም ብጓላ እንተላ ምስኣ ዝደቀሱን፥ ኣጥባት ድንግልናኣ ዳህሲሶም ዝሙቶም ዘፍሰሱላ ግብፃውያን፥ ምዝማዋ ኣይሓደገትን። ስለዙይ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፥ ብፍትወት ምስኣቶም ነዲዳ ዝነበረት፥ ናብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር ሃብክዋ። ንሳቶም ከዓ ዕርቃና ቐልዑ፤ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፤ ንኣኣ ድማ ብሰይፊ ቐተልዋ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈሪዱ እዩሞ፥ ኣብ ማእኸል ኣንስቲ መመሰሊት ኮነት። “ኦሆሊባ ሓፍታ ኸዓ እዙይ ረአየት፤ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፤ ምንዝርናኣ ድማ ኻብ ምንዝርና ሓፍታ በዝሐ። ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር ኣሕሉቕን ሹመኛታትን፥ ዘሐብን ክዳውንቲ እተኸደኑ፥ ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ፈረሰኛታት ኵሎም መልክዐኛታት ኣጓብዝ ብፍትወት ነደደት። ንሳውን ከም ዝረኸሰት ረአኹ፤ ክልቲአንውን ሓደ መንገዲ ኸዳ።” ንሳ ግና “ብምንዝርናኣ ሕልፍ በለት፤ ኣብ መንደቕ ከዓ ስእሊ ሰብኡት ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተስኢሉ፥ ቅናት ኣብ ሕቘኦም ተዓጢቖም፥ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸዓ ኣብ ርእሶም ገይሮም፥ ኵላቶም መኳንንቲ ኣብታ እተወለዱላ ሃገር ከለዳውያን፥ ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዝመስሉ ረአየት። በዒንታ ምስ ረአየቶም ኣብኣቶም ብፍትወት ነደደት፤ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም። ደቂ ባቢሎን ከዓ ናብኣ መፂኦም ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፤ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ፤ ብኣኣቶም ምስ ረኸሰት፥ ነፍሳ ኻብኣቶም ኣግለሰት። ዝሙታ ምስ ገለፀት፥ ዕርቃና ምስ ቀልዐት፥ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓፍታ ዘግለሰት፥ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት። ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘመንዘረቶ ዘኪራ፥ ምንዝርናኣ ኣብዝሐት። ከም ናይ ኣድጊ ስጋ ዝስጋኦም፥ ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዘርኦም ብኣኣቶም ብፍትወት ነደደት። ከምኡ እቶም ግብፃውያን፥ ኣጥባት ጐርዞነት እንተለኪ ዝዳህሰሱኺ፥ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ።” ስለዙይ “ኣቲ ኦሆሊባ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻብኣቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ፥ ከተስአልኪ እየ፤ ክፃረሩኺ ኸዓ ኻብ ኵሉ ወገን ከምፅኦም እየ። ንዅሎም ባቢሎናውያንን፥ ከለዳውያንን ፋቁፅን ሲሔ ቆዓን፥ ምስኣቶም ከዓ ዅሎም ኣሶራውያንን፥ መልክዐኛታት ኣጓብዝ መሳፍንትን መኳንንትን፥ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ኣሕሉቕን ውሩያትን፥ ንሳቶም ኣፅዋርን ሰረገላታትን መንኰራኵርን ሒዞም፥ ምስ ብዙሕ ጉባኤ ኣህዛብ ክፃረሩኺ ኽመፁ እዮም፤ ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም፥ ብዙርያኺ ኽቃወሙኺ እዮም፤ ኣነ ኸዓ ፍርዲ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ክፈርዱኺ እዮም። ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብመዓት ክወቕዑኺ እዮም፤ ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ክቘርፁ እዮም፤ እቲ ኻባኺ ዝተርፍ ድማ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነወዳትክን ነዋልድክን ክማርኽዎም፥ እቲ ኻባኺ ዝተርፍውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ። ክዳውንትኺ ኽቕንጥጡኺ፥ ክቡር ሽልማትኪ ኽወስዱልኪ እዮም። ኣዒንትኺ ናብኣቶም ቈላሕ ከይተብሊን ድሕሪዙይ ከዓ ግብፂ ኸይትዝክሪን፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ናብ ኢድ እቶም እትፀልእዮም ናብ ኢድ እቶም ነፍስኺ ኻብኣቶም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፥ ብፅልኢ ኽካየዱኺ፥ ኵሉ ፃማ ድኻምኪ ኽወስዱልኪ፥ ዕርቕትን ንበይንኽን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም፤ ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ክግለፅ እዩ። ምስ ኣህዛብ ስለ ዝመንዘርኪ፥ ብጣዖታቶም ከዓ ስለ ዝረኸስኪ፥ እዝ ነገር እዙይ ክወርደኪ እዩ። ብመንገዲ ሓፍትኺ ኸድኪ፤ ስለዙይ ከዓ ኣነ ነታ ፅዋዕ፥ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ እታ ዓማቝን ገፋሕን ዝኾነት ፅዋዕ ሓፍትኺ ኽትሰትዪ ኢኺ፤ ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ፥ መስሓቕን መላገፅን ክትኮኒ ኢኺ።” “እታ ፅዋዕ ሓፍትኺ ሰማርያ፥ ፅዋዕ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፥ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ። ኣነ እየ እተዛረብኩ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፥ ክትሰትዪያን ክትጭልጥያን፥ ገልዑ ኸዓ ኽትነኽስን፥ ኣፍ ልብኺ ድማ ኽትስንጥቕን ኢኺ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ ረሲዕኽኒ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፥ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ፁሪ።” እግዚኣብሄር ከዓ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ? እምበኣር በደለን ንገረን። ዘምየን እየን እሞ፥ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፤ ምስ ጣዖታተን ዘምየን፥ ነቶም ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀን፥ ሓዊ ኽበልዖም ብእኡ ኣሕለፋኦም። ኣብ ርእሲኡውን እዙይ ገበራኒ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣርከሳ፤ ሰናብተይ ከዓ ሰዓራ። ንደቀን ንጣዖታተን ምስ ሓረዳኦም፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸርክሳኣ ናብ መቕደሰይ መፃ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ማእኸል ቤተይ ከምዙይ ገበራ።” ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ “ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመፁ ሰብኡት ለኣኻሎም፤ ልኡኽ ተልኣኮም፤ እንሆውን መፁ፤ ንስኺውን ተሓፀብክሎም፤ ኣዒንትኺ ተዅሓልክሎም፤ ብሽልማትውን ተሸለምክሎም። ኣብ ፅቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ። ኣብኣ ድምፂ ሕጉሳት ሰባት ነበረ፤ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ድማ፥ ሰካራማት ካብ ምድረ በዳ መፁ፤ ንሳቶም ከዓ ኣምባር ኣብ ኣእዳወን፥ ዕፁብ ዘውዲውን ኣብ ኣራእሰን ገበሩ። ሽዑ ኣነ ‘ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝአረገት ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ ኣለዉ’ በልኩ። ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዝኣትዉ ናብኣ ኣተዉ፤ ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን ኣተዉ። ፃድቃን ሰባት ከዓ፥ ዘመውቲ ስለ ዝኾና፥ ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፥ ከምቲ ንዘመውቲ፥ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዝፍረደን ገይሮም ክፈርድወን እዮም።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጉባኤ ህዝቢ ኸውፅአለን እየ እሞ፥ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ። ጉባኤ ኸዓ ብእምኒ ወቒዖም ክቐትልወን፥ በስይፍቶም ክቘራርፅወን፥ ነወዳተንን ነዋልደንን ክቐትልዎም፥ ኣባይተንውን ብሓዊ ኸንድዱ እዮም። ኵላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ከይገብራ ምእንቲ ኽመዓዳስ፥ ንምንዝርና ኻብታ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ። ምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ከንብሩልክን እዮም፤ ሓጢኣት ጣዖታትክን ድማ ኽትፆራ ኢኽን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጣ ኢኽን።” ኣብ መበል ታሽዐይቲ ዓመት፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ፀሓፍ፤ ንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ ኢየሩሳሌም ቀረበ። ድስቲ ሰኽትት፤ ሰኽትቶ ማይ ድማ ግበረሉ። ምታሩ ዅሉ ፅቡቕ ምታር ዘበለ እግርን ክሳድን ናብኡ ኣክቦ፤ በቲ ሕሩይ ዓፅሚውን ምልኣዮ። ካብቲ መጓሰ ኸዓ ዝተመረፀ ውሰድ፤ ነቲ ዓፅሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፥ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕፅምቲ ምእንቲ ኽበስል ኣፀቢቕካ ኣፍልሓዮ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዓገት ድስቲ፥ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ! ነቲ ጉማድ ብጉማዱ ኣውፅኣዮ፤ ዕፃ ኣይወደቖን። ደማ ኣብ ማእኸላ እዩ እሞ፥ ኣብቲ ልሙፅ ኰዅሒ ሓደገቶ፤ ብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣየፍሰሰቶን። ንምልዕዓል ቍጥዓን ንምፍዳይ ሕነን፥ እቲ ደማ ምእንቲ ኸይኽወል ኣብ ልሙፅ ኰዅሒ ኣፍሰስክዎ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነውን ብርቱዕ መጋርያ ኽእጕድ እየ እሞ፥ ነታ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ! ኣዕፃው ኰምር፤ ሓዊ ኣጕድ፤ ነቲ ስጋ ኣፀቢቕካ ኣብስሎ፤ ነቲ መረቕ ኣፍልሓዮ፤ ነቲ ኣዕፅምቲ ኸዓ ኣቃፅሎ። ምእንቲ ኽውዕን፥ እቲ ነሃስ ድማ ኽረስንን፥ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዝዕገት ክመክኽን እቲ ምምራቱ ኸዓ ኽጠፍእንስ፥ ጥራሑ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ። ፃዕራ ኸንቱ እዩ፤ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፥ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ። ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ፤ ኣፅርየክስ ኣይፀረኽን ኢኺ እሞ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክሳዕ ዝወፀልኪ፥ ካብ ርስሓትኪ ኣይትፀርዪን ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብክዎ፤ ክኸውን እዩ፤ ክገብሮ ድማ እየ፤ ንድሕሪት ኣይምለስን፤ ኣይምሕርን፤ ኣይናሳሕን ድማ እየ፤ ከም መንገድኽን ከም ግብርኽን ክፈርዱኺ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ድልየት ኣዒንትኻ ብመቕሰፍቲ ኽምንጥለልካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፤ ኣይትብከ፤ ኣይትንባዕውን። ስቕ ኢልካ እህህ በል፤ ንምዉታት ከም ዝልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፤ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፤ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፤ ከናፍርካ ኣይትሸፍን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትብላዕ።” ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፤ ንምሽቱ ኸዓ ሰበይተይ ሞተት፤ ንፅባሒቱ ድማ ኸምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ። እቲ ህዝቢ እውን “እቲ እትገብሮ ዘለኻስ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ነኣና ኣይትገልፀልናን ኢኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ ኢለ መለስኩሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንቤት እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎም፦ ‘እንሆ እታ ሓበን ሓይልኹም፥ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፥ እታ ናፍቖት ነፍስኹም ቤተ መቕደሰይ ከርክሳ እየ፤ እቶም ድሕሬኹም ዝሓደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። ንስኻትኩም ከዓ ኸምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም፤ ከናፍርኩም ኣይትኸድኑን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትበልዑን። መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ክኸውን እዩ፤ ዋይ ዋይ ኣይትብሉን፤ ኣይትበኽዩን ከዓ ኢኹም፤ ግናኸ ብሰንኪ ሓጢኣትኩም ክትማስኑ፥ ነንሓድሕድኩም ከዓ እህህ ክትብሉ ኢኹም። ሕዝቅኤል ከዓ ኣርኣያ ክኾነልኩም እዩ፤ ከምቲ ዅሉ ንሱ ዝገበሮ ኽትገብሩ ኢኹም’ እዙይ ምስ መፀ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።” “ኣታ ወዲ ሰብ፥ በታ ንሓይሎም ንሓጐስ ክብረቶም ንተድላ ኣዒንቶም ንናፍቖት ልቦምን ንኣወዳትን ንኣዋልድን ደቆም ካብኣቶም ዝወስደላ መዓልቲ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ፥ ኣብ እዝንኻ ኸስምዐካ ኽመፀካ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ምስ መፀ፥ ኣፍካ ክኽፈት እዩ፤ ክትዛረብ፥ ድሕሪዙይ ከዓ በሃም ኣይትኸውንን ኢኻ፤ ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኮኖም ኢኻ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም። ንደቂ ኣሞን ከዓ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፥ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፥ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ፥ እሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፥ ስለዙይ እንሆ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፥ ድንኳናቶም ክተኽሉልካ፥ ኣብ ማእኸልካውን ሰፈሮም ክሰርሑ ኽውፍየካ እየ፤ ንሳቶም ፍረኻ ኽበልዑ፥ ፀባኻውን ክሰትዩ እዮም። ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፥ ንደቂ ኣሞን ከዓ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕኻ፥ በእጋርካ ዀደብደብ ስለ ዝበልካ፥ ብዅሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ፥ ብምድሪ እስራኤል ስለ እተሓጐስካ፥ ስለዙይ እንሆ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣለኹ እሞ፥ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፥ ካብ ኣህዛብ ፈልየ ኸፅንተካ፥ ካብ ሃገራት ክጥርሰካ፥ ከጥፍአካውን እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጥ ኢኻ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሞኣብን ሰዒርን እንሆ ቤት ይሁዳስ፥ ከም ኵላቶም ህዝብታት እዮም፥ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥ ስለዙይ እንሆ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ፥ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዅሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታት ክቡራት እታ ምድሪ፥ ካብ ቤት የሺሞት፥ ካብ በዓልሜዎን ካብ ቂርያታይም ክኸፍት እየ። እቶም ደቂ ኣሞን ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፥ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ኣሞን ዝመፁ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ። ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኤዶም ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፥ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻብኣ ኸጥፍእ እየ፤ ካብ ቴማን ጀሚረ ፀምፀም በረኻ ኽገብሮ እየ፤ ክሳዕ ዴዳን ከዓ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም ይብል ኣሎ። ኣነ ኸዓ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፥ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ፤ ንሳቶም ንኤዶም ከም ቍጥዓይን መዓተይን ክገብርዋ እዮም፤ ምፍዳይ ሕነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ በቲ ናይ ጥንቲ ፅልኦም ከጥፍኡ ኢሎምስ፥ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፥ ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፥ ንከሊታውያን ከዓ ኸጥፍኦም፥ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተረፉ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ። ብመዓት ቍጥዓ ኸዓ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ሕነይ ምስ ፈደኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።” ኮነ ኸዓ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጢሮስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ‘እሰይ፥ እሰይ፥ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፤ ናባይ ተመሊሳ፤ ንሳ ባዲማ እያ፤ ኣነ ኽመልእ እየ’ ኢላ ኣላ እሞ፥ “ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቲ ጢሮስ ኣንፃርኪ እየ፤ ከምቲ ንባሕሪ ማዕበል ዘልዕለሉ፥ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተስአልኪ እየ። ንቕፅርታት ጢሮስ ከጥፍእዎ፥ ንግምብታታ ኸዓ ኸፍርስዎ፥ ሓመዳ ኽፀርገላ፥ ልምፅምፅ ዝብል ኰዅሒ ኽገብራ እየ። ንሳ ኣብ ማእኸል ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ፤ ኣነ ተዛሪበ እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ንህዝብታት ብዝበዛ ኽትከውን እያ። እተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኣዋልዳ ኸዓ፥ ብሰይፊ ኽቕተላ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽፈልጡ እዮም።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፥ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን፥ ምስ ፈረሰኛታትን ጭፍራን፥ ብዙሕ ህዝብን፥ ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምፅኦ እየ። ነተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኣዋልድ ደቅኺ፥ ብሰይፊ ኽቐትለን ዕርዲ ኽዕርደልኪ፥ ሓመድ ክዅምረልኪ፥ ዋልታታት ከልዕለልኪ እዩ። ነቲ መፍረሲኡ ናብ ቅፅርኺ ኣቢሉ ኽተኽሎ እዩ፤ ብመሳርሒኡ ኸዓ ንግንብታትኪ ኸፍርሶ እዩ። ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ ዝተልዓለ፥ ኣቦራ ኸጐልብበኪ እዩ፤ ብፍሩስ ቅፅሪ ኣብ ከተማ ኸም ዝኣትዉ፥ ንሱ ብኣፍ ደገታትኪ ኽአቱ እንተሎ፥ ህዱድ ብምባል ብፈረሰኛታቱን ብመንኰራዅሩን ብሰረገላታቱን፥ ቅፅርታትኪ ኽናወፅ እዩ። ንዅሉ ኣደባባያትኪ ብሸዀና ኣፍራሱ ኽረግፆ፥ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኽቐትሎም፥ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ፥ ኣብ ምድሪ ፃሕ ክብል እዩ። ንመዛግባትኺ ኽብዝብዙ፥ ነቓሑ ንግድኪ ኽዘምቱ፥ ንመናድቕኪ ኸፍርሱ፥ ነቲ ብሉፅ ኣባይትኺ ኸፍርሱ፥ ነእማንክን ኣዕፃውክን ሓመድክን፥ ኣብ ማእኸል ማይ ክድርብዩዎ እዮም። ንድምፂ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ቓና መሰንቆታትኪ ኣይስማዕን እዩ። ልሙፅ ኰዅሒ ኽገብረኪ እየ፤ መስጥሒ መርበብ ክትኮኒ ኢኺ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብኩ እሞ፥ ከም ብሓድሽ ኣይትስርሕን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዙይ ይብላ ኣሎ፦ “ብሕማም ምውዳቕኪ፥ እቶም ውፁዓት ውጉኣት ክቕንዘዉ እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸልኪ ክቕተሉ እንተለዉ፥ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይሕዘንን እዩ? ሽዑ ዅላቶም ኣሕሉቕ ባሕሪ፥ ካብ ዝፋናቶም ክወርዱ፥ ባርኖሶም ክቕንጥጡ፥ ጥሉፍ ኣልባሶም ክድርብዩ፥ ስምባደ ክኽደኑ፥ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ፥ ኵሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ክብሉ፥ ብኣኺውን ክስክሑ እዮም። “ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፥ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፥ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዝነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ፥ ንዅሉ ሰብ መፍርሒት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፥ ከመይ ኢልኪ ኾን ጠፋእኪ? ‘ሕዚ እተን ደሴታት፥ በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኸንቀጥቅጣ፥ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ ብመወዳእታኺ ኽስምብዳ እየን’ ኢሎም መልቀስ ከልቅሱልኪ እዮም።” እግዚኣብሄር ኣምላኽስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምተን ሓደ እኳ ዝነብረን ዘይብለን ከተማታት ገይረ፥ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፥ መዓሙቝ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣሰራሰርኩ፥ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፥ ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ፥ ናይ ጥንቲ ህዝቢ፥ ከውርደኪ እየ፤ ኣባኺ ዝነብር ከይህሉስ፥ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ፤ ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ፥ ህያዋን ክገብር እየ። መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፥ ኣይትህልውን ኢኺ፤ ዝደለየ እኳ እንተ ደለየኪ፥ ከቶ ንዘለኣለም ኣይትርከብን ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጢሮስ መልቀስ ኣልቅሰላ። ‘ኣቲ ጢሮስ ባዕልኺ ብመልክዕ፥ ፍፅምቲ ኣነ እየ በልኪ።’ ወሰንኪ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ እዩ፤ እቶም ሃነፅትኺ ነቲ መልክዕኺ ፈፀምዎ። ንጎቦታትኪ ብፅሕዲ ሰኒር ሰርሕዎ፤ ደቐል መራኽብ ክገብሩልኪ፥ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ወሰዱ። መቕዘፊታትኪ ኻብ ኣውሒ ባሳን ገበሩ፤ ኮፍ መበሊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሸሊሞም በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመፀ ኣእዋም ገበሩ። እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዝኾነኪ ጋንፅላኺ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ቐጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብፂ ነበረ፤ ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ቀይሕ መጋረጃኺ ነበረ። ኣቲ ጢሮስ፥ እቶም ዝቐዝፉልኪ ሰብ ሲዶናን ሰብ ኣርዋድን ነበሩ፤ እቶም ኣባኪ ዘለዉ ጠቢባንኪ፥ መራሕቲ መራኽብኪ ኾኑ። እቶም ሽማግለታት ጌባልን እቶም ጠቢባንን፥ ነቲ እተሰብረ ዘዐርዩ ኣብ ማእኸልኪ ነበሩ፤ ኵላተን መራኽብ ባሕርን ባሕረኛታትን ንግዶም ክለዋወጡኺ ኣባኺ ነበሩ።” “ፋርስን ሉድን ፉጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ፤ ዋላቱን ቍራዕ ርእስንውን ሰቐሉልኪ፤ ንሳቶም ገይፂ ሃቡኺ። ደቂ ኣርዋድን ሰራዊትክን ኣብ ከባቢ ቕፅርኺ፥ ሰብ ገማድያ ኸዓ ኣብ ግንብታትኪ ነበሩ፤ ዋላቱኦም ኣብ ወሰና ወሰን መናድቕኪ ሰቐሉ፤ ንመልክዕኺ ፈፀምዎ።” “ተርሴስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ፥ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፤ ብብሩርን ሓፂንን ቆርቆሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ። ያዋንን ቶቤልን ሞሳሕን ነጋዶኺ ነበሩ፤ ናብ ዕዳጋኺ ባሮትን ኣቓሑ ነሃስን ኣምፅኡ። ካብ ቤት ቴርጋማ በፍራስን በፍራስ ውግእን ብበቕልታትን ገይሮም ለውጢ ንግድኺ ሃቡኺ። ደቂ ዴዳን ኣባኺ ነገዱ፤ ብዙሓት ደሴታት ብኢድኪ ነጊዶም ኣመሓላለፉ፤ ስኒ ሓርማዝን ዝበን ከዓ ገፀ በረኸት ኣምፅኡልኪ። ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፤ ብኽቡር ዕንቍን ብቀይሕ ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባን፥ ብዛዕጐልን ብሮቢኖስን፥ ገይሮም ለውጢ ንግድኺ ሃቡኺ። ይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፤ ንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመፀ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ። ደማስቆ ብብዝሒ እትዋትክን፥ ስለ እቲ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝኾነ ሃብትን ብወይንን ብኬልቦንን ብፀምርን መናግድኺ ነበረት። ዌንዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕዳጋኺ ብስሩሕ ሓፂንን ሽቱን ቀረፋን ኣዐመሩ። ዴዳን ብኽቡር መረሻታት ምሳኺ ንግዳ ገበረት። ዓረብን ኵላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ፤ ምሳኺ ኽነግዱ ጥቦታትን ማጓሉን ኣጣልን ኣምፅኡ። እቶም ነጋዶ ሳባን ራዕማን መናግድኺ ነበሩ፤ ብብሉፅ ቀመምን ብኽቡር ኣእማንን ብወርቅን ይነግዱ ነበሩ። ካራንን ካኔን ኤዶንን ነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማትን ነጋዶኺ ነበሩ። ብብሉፅ ኣልባሳትን ብሰማያዊ ሃርን ብወርቀ ዘቦ እተጠልፈ ባርኖስን፥ ብኦም ሊባኖስ ዝተገብረን፥ በግማድ እተኣስረን ክቡር ዓለባ ዝመልአ ሳፁን ገይሮም ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ። ተመሊእኺ ነበርኪሞ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ የመና ኸበርኪ። እቶም ዝቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺ፤ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ። ሃብትኽን መናገድያኽን መለዋወጢኽን ባሕረኛታትክን መራሕቲ መራኽብክን መዐረይቲ ስቡርክን ነጋዶኽን፥ ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ጭፍራ ውግእኽን፥ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኽወድቁ እዮም። ካብ ኣውያት እቶም መራሕቲ መራኽብኪ ዝተልዓለ፥ እቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ራዕራዕ ክብሉ እዮም። ኵላቶም ብመቕዘፍ ዝቐዝፉን ባሕረኛታትን፥ ኵላቶም መራሕቲ መራኽብን፥ ካብ መራኽቦም ክወርዱ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ኽቖሙ እዮም። ብዛዕባኺ ድምፆም ከስምዑ፥ ኣምሪሮም ድማ ኽበኽዩልኪ እዮም፤ ኣብ ርእሶም ሓመድ ክንስንሱ፥ ኣብ ሓመዅሽቲውን ጠንቀላዕላዕ ክብሉ እዮም። ርእሶም ክላፅዩልኪ፥ ከሊ ኽዕጠቑልኪ፥ ብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ክበኽዩልኪ እዮም። እናሕቘንቈኑ ብቝዘማ፥ ‘ኸምታ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ስቕ ዘበልዋ፥ ከም ጢሮስ መን ነበረት?’ ኢሎም ክቝዝሙልኪ እዮም። ኣቑሑ ንግድኺ ኻብ ባሕሪ ምስ ወፀ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣፅገብክዮም፤ በቲ ብዙሕ ሃብትኽን ንግድኽን፥ ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተምክዮም። በታ ኣብ ባሕሪ ኣብቲ ዓሚቝ ማያት እተሰበርክላ ጊዜ፥ ንግድኽን ኵሉ ህዝብኽን ኣብ ማእኸልኪ ወደቐ። እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ዅሎም ብኣኺ ኽስክሑ፥ ነገስታቶም ከዓ ኽርዕዱ እዮም፤ ገፆምውን ክኽፋእ እዩ። እቶም ነጋዶ ህዝብታት ክፋፅዩልኪ እዮም፤ መሰክሒ ዄንኪ ንዘለኣለም ኣይትህልውን ኢኺ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንመስፍን ጢሮስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፤ ልብኻ ተዓብዩስ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ድማ፥ ኣብ ዙፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣለኹ ትብል ኣለኻ እሞ፥ ንልብኻ እኳ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፥ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን። እንሆ ኻብ ዳንኤል ንስኻ ጥበበኛ ኢኻ፤ ኵሉ ምስጢርውን ኣይሕብአካን እዩ። ብጥበብካን በኣእምሮኻን ሃብቲ ኣጥረኻ፤ ኣብ መዛግብትኻ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ። በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብንግድኻን ሃብትኻ ኣብዛሕኻ፤ ብምኽንያት ሃብትኻ ኸዓ ልብኻ ተዓበየ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፥ ስለዙይ፥ እንሆ ኣነ ኻብ ህዝብታት ዝጭክኑ ጓኖት ከተስአልካ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ ፅቡቕ ጥበብካ ሰይፎም ክመዙ፥ ግርማኻ ድማ ኸርክሱ እዮም። ናብ ጕድጓድ ከውርዱኻ እዮም፤ ንስኻውን ከምቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኽትመውት ኢኻ። ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደኾን፥ ኣነ ኣምላኽ እየ፥ ክትብል ኢኻ? ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ቐታሊኻ፥ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን። ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ንስኻ ኸምቲ ኣማውታ ዘይግሩዛት፥ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንንጉስ ጢሮስ ብድጕዓ ቘዝመሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ንስኻ ጥበብ ዝመልአካ፥ ፍፁም ዝመልክዕኻ፥ ብሉፅ ማሕተም ነበርካ። ንስኻ ኣብ ኤደን፥ ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ፤ በብዝዓይነቱ ዅሉ ኽቡር እምኒ ሰርድዮስ፥ ቶጳዝዮን፥ ኣልማዝ፥ ቢረሌ፥ መረግድ፥ ኢያሰጲድ፥ ሰንፔር፥ በሉር፥ ዘብረቕርቕ ዕንቍን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ፤ እቲ ኸበሮኻን እምብልታኻን ምሳኻ ነበረ፤ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ። ንስኻ ዘፅልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፤ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ እምባ እግዚኣብሄር ኣስፈርኩኻ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ፥ ክሳዕ እቲ በደል እተረኽበካ ጊዜ፥ ብመንገድካ ፍፁም ነበርካ። ብብዝሒ ንግድኻ ውሽጥኻ ብዓመፃ መልአ እሞ፥ ሓጢኣት ገበርካ፤ ስለዙይ ኣታ እተፅልል ኪሩብ፥ ካብቲ እምባ ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርበኹኻ፤ ካብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸዓ ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕኻ ልብኻ ተዓበየ፤ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሸኻ፤ ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣበልኩኻ፤ ንኽሪኡኻ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፈኹኻ። ብብዝሒ በደልካን፥ ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ንግድኻን፥ ንመቕደስካ ኣርከስካዮ፤ ስለዙይ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውፃእኹ፤ ንሳውን በልዐትካ፤ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዝሪኡኻ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ። እቶም ዝፈልጡኻ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብኣኻ ኽስክሑ እዮም፤ መሰክሒ ኾንካ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኸቶ ኣይትህሉን ኢኻ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ ኣቲ ሲዶን እኒሀኹ ኣብ ርእስኺ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ክኸብር እየ፤ ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈፀምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። ፌራን ደምን ኣብ ኣደባባያ ኽሰደላ እየ፤ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸዓ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእኸላ ፃሕ ክብሉ እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። “ድሕሪዙይ ንቤት እስራኤል፥ ኣብ ኵሎም እቶም ዘቃልልዎም ጐረባብቶም፥ ዝወግእ እሾዅ ወይ ዘሕምም ተዀርባ ኣይህሉን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእኸሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ኣህዛብ ምስ ኣከብክዎም፥ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣህዛብ፥ ኣብኣቶም ክቕደስ፥ ንሳቶም ከዓ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሃብክዋ ምድሮም ክነብሩ እዮም። ኣብኣ ብህድኣት ክነብሩ፥ ኣባይቲ ኸዓ ኽሰርሑ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኽተኽሉ እዮም፤ ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኣም ኮይኖም ዘቃልልዎም ዘለዉ፥ ፍርዲ ምስ ፈፀምኩ፥ ሽዑ ብህድኣት ክነብሩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።” ኣብ ዓስረይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣቢልካ ምለስ፤ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብፅን ከዓ ተነበ። ተዛረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገር፤ ኣታ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸል ሩባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፥ ንስኻ እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፤ እትብል ዘለኻ እኒሀኹ ተልዓልኩኻ። ኣብ ምንጋጋኻ መቝለብ ክገብር፥ ንዓሳታት ሩባታትካ ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፤ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቢቑ ዘሎ ዓሳ ኸዓ፥ ካብ ማእኸል ሩባታትካ ኸውፅአካ እየ። ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ ሩባታትካን፥ ኣብ በረኻ ኽድርቢ፥ ኣብ በረኻ ኽትወድቕ ኢኻ፤ ኣይትእረን ኣይትእከብንውን ኢኻ፤ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን፥ ምግቢ ገይረ ወፈኹኻ። እቶም ኣብ ግብፂ ዝነብሩ ዅሎም፥ ንቤት እስራኤል ምርኵስ ዘንጊ ኾይኖምዎም እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። “ብኢዶም እንተ ሓዙኻ ተሰበርካ፤ ንዅሉ መንኵቦም ከዓ ወጋእኻ፤ እንተ ተፀግዑኻ ተሰባበርካ፤ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም። ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኻ ኸምፅአልካ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻባኻ ኸጥፍእ እየ። እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ዝገበርክዎ ኢሉ እዩ እሞ፥ ምድሪ ግብፂ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽፈልጡ እዮም። “ስለዙይ እኒሀኹ፥ ኣባኻን ኣብ ሩባታትካን ክለዓለካ፥ ንሃገር ግብፂ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴዌኔና፥ ክሳዕ ወሰን ኢትዮጵያ ኸዓ ምድረ በዳን በረኻን ክገብራ እየ። እግሪ ሰብ ኮነ፥ እግሪ እንስሳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ፤ ነርብዓ ዓመትውን ዝነብራ የብላን። ንሃገር ግብፂ ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ፤ ከተማታታ ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ክኾና እየን፤ ንግብፃውያን ከዓ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክብትኖም እየ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብፃውያን ካብ ማእኸል እቶም ተበቲኖምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣኻኽቦም እየ። ንምርኮ ግብፂ ኽመልሶም፥ ናብታ እተወለዱላ ናብ ምድሪ ጳጥሮስ ድማ ኽመልሶም እየ፤ ኣብኣውን ዝተዋረደት መንግስቲ ክኾኑ እዮም። ካብ ካልኦት መንግስትታት ትሕት ክትብል፥ መሊሳ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኣይትዕበን እያ፤ መሊሶም ኣብ ኣህዛብ ከይገዝኡስ ከውሕዶም እየ። ድሕሪዙይ ቤት እስራኤል ብኣኣቶም ኣይእመኑን እዮም፤ ናብኣቶም ቈላሕ እንተ በሉ ግና በደሎም ከዘክርዎም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።” ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት፥ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ፃዕሪ ኣፅዓሮም፤ ርእሲ ነዂዑ፤ መንኵብ ተመሊጡ፤ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ ዝፀዓሮ ፃዕሪ፥ ንሱ ወይ ጭፍራኡ ዝኾነ ደመወዝ እኳ ኣይረኽቡን። ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንምድሪ ግብፂ ኽህቦ እየ፤ ንሱ ሃብታ ኽወስድ፥ ዝዝረፍ ክዘርፍ፥ ዝዝመት ከዓ ኽዘምት እዩ፤ እዙይ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ክኸውን እዩ። ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፥ ፃማ ፃዕሩ ምድሪ ግብፂ ሃብክዎ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፥ ንኣኻ ድማ ኣብ ማእኸሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ተነበ፤ በልውን፤ መዓልቲ ቐሪባ፥ እወ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፤ መዓልቲ ደመና ጊዜ ኣህዛብ ክኸውን እዩ እሞ፥ ‘ዋይ በሉ ንመዓልቲ! ዋይ በሉ!’ ሰይፊ ኣብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ፤ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብፂ ምስ ወደቑ፥ ሃብታ ምስ ተወሰደ፥ መሰረታውን ምስ ፈረሰ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሓት ክኸውን እዩ። ኢትዮጵያን ፉጥን ሉድን ኵሎም ሕውስዋስ ህዝብን ኩብን፥ ደቂ እታ ኺዳን ዝኣተወት ምድርን ምስኣቶም ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ንግብፂ ዝድግፉ ኽወድቁ እዮም፤ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኸዓ ኽዋረድ እዩ፤ ካብ ሚግዶል ጀሚሩ ኽሳዕ ሴዌኔር፥ ኣብኣ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት ከዓ ኽባድሙ እዮም፤ ከተማታቶም ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ክኾና እየን። ኣብ ግብፂ ሓዊ ምስ ኣጐድኩ ደገፍታ ዅሎም ከዓ ምስ ተሰባበሩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ደሓን ኣለኹ እትብል ኢትዮጵያ ኸሰምብድዋ፥ ልኡኻት ብመርከብ ካብ ቅድሚ ገፀይ ክወፁ እዮም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ከምቲ ብመዓልቲ ግብፂ ዝኾነ ፍርሓት ክኾኖም እዩ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኸጥፍኦ እየ። ንሱን ህዝቡ ኸዓ ምስኡን ካብቶም ህዝብታት የመና ዝጭክኑ፥ ነታ ምድሪ ኸጥፍእዋ ኽወፁ እዮም፤ ሰይፎም ንግብፂ ኽመዙላ፥ ነታ ምድሪ እውን ብቕቱላት ክመልእዋ እዮም። ነቲ ሩባታት ከንፅፎ፥ ነታ ምድሪ ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰባት ክሸጣ እየ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድሞ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንጣዖታት ከጥፍኦም ንምስልታት ካብ ሜምፎስ ከወግዶም እየ፤ ድሕሪዙይ ካብ ምድሪ ግብፂ መስፍን ኣይኸውንን እዩ፤ ናብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ፍርሓት ከምፅእ እየ። ንጳጥሮስ ከባድማ፥ ኣብ ፆዓን ሓዊ ኽእጕድ፥ ኣብ ኖእ ከዓ ፍርዲ ኽገብር እየ። ቍጥዓይ ከዓ ናብ ሲን እታ ዕርዲ ግብፂ ኽኽዑ ንህዝቢ ኖእ ድማ ኸጥፍእ እየ። ኣብ ግብፂ ሓዊ ኽእጕድ እየ፤ ሲን ክትጭነቕ እያ፤ ኖእ ክትጠፍእ እያ፤ ንሜምፎስ ከዓ ፀላእቲ ብመዓልቲ ኽመፅዋ እዮም። ኣጕባዝ ኣቤንን ፊቤሴትን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፤ ንሳተን ከዓ ኽማረኻ እየን። ኣርዑት ግብፂ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፥ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፥ ኣብ ጣፍናስ፥ መዓልቲ ኽትፅልምት እያ፤ ደመናውን ከጐልብባ እዩ፤ ኣዋልድ ደቃ ድማ ኽማረኻ እየን። ከምዙይ ገይረ ኣብ ግብፂ ፍርዲ ኽፈርድ እየ፤ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።” ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቕልፅም ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሰበርክዋ፤ እንሆ ድማ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል ፈውሲ ገይሩ ብዓለባ ዝፅግና የለን።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣብ ርእሱ ኣለኹ፤ ነተን ቀላፅሙ፥ ነታ ብርትዕትን ነታ ስብርትን ክሰብረን፥ ነቲ ሰይፊ ኸዓ ኻብ ኢዱ ኸውድቖ እየ። ነቶም ግብፃውያን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክብትኖም፥ ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ፋሕ ከብሎም እየ። ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን ሰይፈይ ድማ፥ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፤ ንቐላፅም ፈርዖን ግና ኽሰብረን እየ፤ ንሱ ድማ ኸምቲ ንሞት እተወግአ ሰብኣይ ዝቕንዞ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኽቕንዞ እዩ። ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን እየ፤ ቀላፅም ፈርዖን ግና ዘርጋሕ ኢለን ክወድቃ እየን፤ ንሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣትሓዝክዎ፥ ንሱውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ማሕማሕ ምስ ኣበሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። ነቶም ግብፃውያን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክብትኖም፥ ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ፋሕ ከብሎም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።” ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቡን ‘ብዕቤትካ ንመን ትመስል?’ በሎ። “እንሆ ኣሶር ጨናፍሩ ዝፅቡቕ፥ ፅላሉ ዝዕሙር፥ ቁመቱ ዝነዊሕ፥ ርእሱ ኣብ ማእኸል ደመና ኸም ዝነበረ፥ ከም ኦም ሊባኖስ ነበረ። ማያት ኣብቈልዎ፤ ቃላይ ኣዕበዮ፤ ውሕጅ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሓዘ፤ ፈሳሲኡውን ናብ ኵሉ ኣእዋም በረኻ ሰደደ። ስለዙይ ቁመቱ ኻብ ኵለን ኣእዋም በረኻ ተመልመለ፤ ሳላ እቲ ዘዕምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት ጨናፍሩ በዝሐ፤ ጨንገፉ ነውሐ። ኣብቲ ጨናፍሩ፥ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ጨንገፉ ድማ ዅሎም እንስሳ በረኻ ተዋለዱሉ፤ ኣብ ፅላሉ ኸዓ፥ ኵሎም ዓበይቲ ኣህዛብ ይቕመጡሉ ነበሩ። ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፥ ብዕቤቱን ብምንዋሕ ጨንገፉን ፅቡቕ ነበረ። ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ክኽውሎ ኣይከኣለን፤ ፅሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተተኻኸልዎን፤ ፀሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፤ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ካብ ዘሎ ኦም፥ ሓደ እኳ ብፅባቐ ኣይተመዓራረዮን። ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ፅቡቕ ገበርክዎ፤ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘለዋ ኣእዋም ኤደን ከዓ ዅላተን ቀንኣሉ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብቑመት ልዕል ልዕል ስለ ዝበልካ፥ ርእስኻውን ኣብ ማእኸል ዕሙር ደመና ጨናፍር ስለ ዝገበረ፥ ብምኽንያት ቁመቱ ልቡ ስለ ዝተዓበየ፥ ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ናይ ኣህዛብ ሓያል ከም ድሌቱ ኽገብሮ ኣሕሊፈ ሃብክዎ፤ ብሰንኪ ኽፍኣቱ ደርበኽዎ። እቶም ጓኖት ናይ ኣህዛብ ጨካናት፥ ቈራሪፆም ደርበይዎ፤ ጨናፍሩ ኣብ እምባታትን ኣብ ኵሉ ሩባታትን ወደቐ፤ ጨንገፉ ኣብ ኵሉ ኣፃድፍ እታ ምድሪ ተሓምሸሸ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ፥ ካብ ፅላሉ ተመለሱ፤ ሓደግዎውን። ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጕንዱ፥ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፤ ኵሎም እንስሳ በረኻ ድማ ኣብ ጨንፈሩ ሰፈሩ። እተን ኣብ ማይ ዝተተኽላ ኣእዋም፥ ብቑመተን ከይዕበያን፥ ጫፈን ኣብ ማእኸል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፥ ኵላቶም ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ፥ ንመዓሙቝ ምድሪ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፥ እተን ማያት ዝሰትያ ዅላተን ሓያላት፥ ብትዕቢት ከይቖማስ እዙይ ኮነ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ፥ ሰባት ከም ዝቝዝሙ ገበርኩ፤ ብሰንኩ ንቓላይውን ምእንታኡ ኣጐልበብኩዎ፤ ንወሓይዙ ኸልከልክዎ፤ ዓበይቲ ማያት ተኸልከሉ፤ ብሰንኩ ንሊባኖስ ኣሕዘንክዎ፤ ብሰንኩ ዅለን ኣእዋም በረኻ ተናወፃ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎ፥ ካብ ድምፂ ምውዳቑ ዝተልዓለ ንኣህዛብ ራዕራዕ ኣበልክዎም፤ ኵላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሕሩያትን ፅቡቓትን ኣእዋም ኤደን፥ ማይ ዝሰትያ ዝነበራ ዅለን፥ ኣብቲ መዓሙቝ ምድሪ ተፀናንዓ። ንሳቶም ድማ ናብቶም ቅልፅሙ ኾይኖም፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣብ ፅላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ።” እምበኣርከስ “ብኽብረትን ዕቤትን፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ኤደን፥ ንመን ኢኻ እትመስል? ከምኡ ኸዓ ንስኻ ምስተን ኣእዋም ኤደን፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፤ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይተገዝሩ፥ ኣብ ማእኸል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ፤ እዙይ ፈርዖንን ኵሎም ህዝቡን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ኣብታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ መልቀስ ኣልቅሰሉ በሎውን፦ ‘ንስኻ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፥ ኣብ ባሕርታት ከዓ ኸም ገበል ትመላለስ ነበርካ፤ ኣብ ሩባታትካውን ጠውላሕላሕ በልካ፤ በእጋርካ ማያት ኣናዊፅካ ነቲ ወሓዚ ድማ ዘረግካዮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብብዙሓት እኩባት ኣህዛብ ገይረ፥ ኣነ መርበበይ ክዝርግሐልካ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብመርበበይ ክስሕቡኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፃሕ ከብለካ፥ ኣብ በረኻ ኽድርብየካ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ፤ ንኣራዊት ኵላ ምድሪ ድማ፥ ብኣኻ ኸፅግቦም እየ። ንስጋኻ ኣብ ልዕሊ እምባታት ከንብሮ፥ ንሽንጥሮታት ከዓ ብኣስከሬንካ ኽመልኦ እየ። ነታ እትሕምሰላ ዘለኻ ምድሪ፥ ክሳዕ እምባታት ብደምካ ኸስትያ እየ፤ እቲ ሩባታት ከዓ ብኣኻ ኽመልእ እዩ። ከጥፍአካ እንተለኹ፥ ንሰማያት ከጐልብቦ፥ ንኸዋኽብቱ ኸዓ ኸፀልምቶም፥ ንፀሓይ ድማ ብደመና ኽኽውላ እየ፤ ወርሒውን ብርሃና ኣይትህብን እያ። ንዅሉ ብርሃናት ሰማይ ብሰንክኻ ኸፀልምቶ፥ ኣብ ምድርኻውን ፀልማት ክዝርግሕ እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ወረ ጥፍኣትካ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ዘይተፈልጡ ሃገራት ምስ ኣብፃሕኹ፥ ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከጨንቕ እየ። ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኣቶም ማሕማሕ ከብሎ እንተለኹ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ብኣኻ ኸሰኽሖም እየ፤ ነገስታቶም ድማ የመና ኽርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ኵልሻዕ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ክብል እዩ።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ክለዓለካ እዩ። ነቲ ብዙሕ ህዝብኻ፥ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ከውድቖ እየ። ንሳቶም ኵላቶም፥ ካብ ኣህዛብ ዝጭክኑ እዮም። ንትዕቢት ግብፂ ኸጥፍእዎ እዮም፤ ኵሉ እቲ ብዝሓታ ኸዓ ኽጠፍእ እዩ። ነቶም ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ዝነበሩ ዅሎም እንስሳት ከጥፍእ እየ። ድሕሪዙይ እግሪ ሰብ ኣይዘርጎን፤ ሸዀና እንስሳውን ኣይረግፆን እዩ። ሽዑ ንማያቶም ከፅርዮ እየ፤ ንሩባታቶም ድማ ኸም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ነታ ምድሪ ግብፂ በረኻ ምስ ገበርክዋ፥ እቲ ነታ ምድሪ መሊእዋ ዝነበረ ምስ ባደመ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም ምስ ወቓዕኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። እቲ ዝልቀስ መልቀስ እዙይ እዩ፤ ኣዋልድ ህዝብታት ከልቅሳላ እየን፤” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኮነ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኣልቅሰሉ፤ ንኣኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትንውን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ደርብየን።” “ብፅባቐ ኻብ መን ትበልፂ? ውረዲ ምስቶም ዘይግሩዛት ከዓ ደቅሲ። “ኣብ ማእኸል እቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ኽወድቁ እዮም። ንሰይፊ ተውሂባ ኣላ፥ ምስቲ ብዙሕ ህዝባ ጕተትዋ። ካብቶም ጀጋኑ እቶም ኣውራታት ሓያላት፥ ካብ ውሽጢ ሲኦል፥ ንእኡን ንደገፍቱን ከምዙይ ኢሎም ክዛረብዎ እዮም፤ ‘እቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ወሪዶም ኣብኡ ለጥ ኢሎም’ ኣለዉ። “ኣብኡ ኣሶርን ኵሉ ህዝባን ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያኡ መቓብሩ ኣሎ። ኵላቶም ብሰይፊ ወዲቖም ተቐተሉ። መቓብሮም ኣብ ዓሚቍ ጕድጓድ፥ ህዝባ ኸዓ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዝስክሑ ዝነበሩ ዅላቶም፥ ብሰይፊ ወዲቖም ተቐቲሎም እዮም። “ኣብኡ ዔላምን ኵሉ ህዝባን፥ ኣብቲ ዙርያ መቓብራ ኣለዉ። ኵላቶም ተቐተሉ፤ ብሰይፊ እውን ወደቑ። ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ዝነበሩ ዘይግሩዛት ናብ መዓሙቝ ምድሪ ወረዱ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ተሸከሙ። ንኣኣን ንዅሉ ህዝባን ኣብ ማእኸል እቶም ቅቱላት ኣንፀፉሎም። መቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ነበሩ እሞ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም። ነውሮም ድማ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ተሸከሙ፤ ኣብ ማእኸል ቅቱላትውን ነበሩ። “ኣብኡ ሞሳህን ቶቤልን ምስ ኵሉ ህዝቦም ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያኣቶም ድማ መቓብሮም ኣሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም። ንሳቶም ከዓ ምስቶም ካብቶም ዘይግሩዛት ዝወደቑ፥ ምስ ኣፅዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስይፍቶም ዘንበሩ ጀጋኑ፥ ምስኣቶም ክድቅሱ እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሓጢኣቶም ኣብ ልዕሊ ኣዕፅምቶም እዩ። “ንስኻ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይግሩዛት ክትሰባበር፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ድማ ኽትድቅስ ኢኻ። “ኣብኡ ኤዶምን ነገስታታን ኵሎም ኣሕሉቓን ኣለዉ፤ እዚኣቶም ሓይሎም ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ተነበሩ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱን ዘይግሩዛትን ደቂሶም ኣለዉ። “ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ፥ ኵላቶም ኣሕሉቕ ሰሜንን፥ ኵላቶም ሲዶናውያንን ኣለዉ። ብሓይሎም ዘሰክሑ እንትኾኑ፥ ነዊሮም ዘይግሩዛት ኮይኖም፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ይድቅሱ ኣለዉ፤ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ይፆሩ ኣለዉ። “ፈርዖን ክሪኦም፥ ስለ ዅሉ ህዝቡ ኸዓ ኽፀናናዕ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ኣነ ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ዝኸውን ከምፅእ እየ እሞ፥ ንፈርዖንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ማእኸል እቶም ዘይግሩዛት ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ፥ ለጥ ከብልዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ ተዛረቦም፤ በሎምውን፦ ኣነ ሰይፊ ናብ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ፥ ህዝቢ እታ ምድሪ ኸዓ፥ ካብኣቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ክኾኖም እንተ መረፅዎ፥ ንሱ ኸዓ ሰይፊ ናብታ ምድሪ ኽመፅእ እንተ ረአየ እሞ፥ መለኸት እንተ ነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ኣጠንቀቖም፥ ሓደ ነቲ ድምፂ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፥ ሰይፊ መፂኡ ኸዓ እንተ ወሰዶ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ። ድምፂ መለኸት ሰሚዑ ኣይተጠንቀቐን እሞ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ፤ እንተ ዝጥንቀቕስ ንነፍሱ መድሓና ነይሩ። እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኽመፅእ እንተሎ እንተ ረአየ፥ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ዘየጠንቀቖም፥ ሰይፊ መፂኡውን ንሓደ ኻብኣቶም እንተ ወሰዶ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ይውሰድ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።” እምበኣርከስ “ኣታ ወዲ ሰብ” ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፤ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም። ኣነ ነቲ ሓጥእ “ኣታ ሓጥእ፥ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ” እንተ በልክዎ፥ ንስኻ ኸዓ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ ኢልካ፥ ክጥንቀቕ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፥ እዝ ሓጥእ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ እየ ዝደልዮ። ግናኸ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ መንገዱ እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ።” ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፦ “ንስኻትኩምስ፥ ሓጢኣትናን በደልናን ኣብ ርእስና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብሰንኩ ንደክም ኣለና፤ ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፥ ትብሉ ኣለኹም በሎም። ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም። “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ በታ ንሱ ዝበደለላ መዓልቲ ኣየድሕኖን እዩ፤ ሓጢኣት እቲ ሓጥእ ከዓ፥ በታ ኻብ ሓጢኣት ዝምለሰላ መዓልቲ ብሓጢኣቱ ኣይሰናኸልን እዩ፤ እቲ ፃድቕውን በታ ዝሓጥአላ መዓልቲ፥ በቲ ፅድቁ ብህይወት ኣይነብርን እዩ። ነቲ ፃድቕ ብርግፅ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፥ ንሱ ኸዓ ብፅድቁ ተአሚኑ እንተ ሓጥአ፥ ንሱ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ እምበር፥ እቲ ዅሉ ፅድቁ ኣይዝከረሉን እዩ። ነቲ ሓጥእ ድማ ብርግፅ ሞት ክትመውት ኢኻ እንተ በልክዎ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን እንተ ገበረ፥ እቲ ሓጥእ ትሕጃ እንተ መለሰ፥ ዝዘመቶ እንተ ኸሓሰ፥ ግፍዒ እንተይገበረ ብሕግጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፥ ንሱ ርግፅ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ኣይመውትን እዩ። እቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይዝከረሉን፤ ፍትሕን ቅንዕናን ገይሩ እዩ እሞ፥ ርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ። “ግና ደቂ ህዝብኻ ኸዓ መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ይብሉ ኣለዉ፤ ግናኸ ዘይቅኑዕስ መንገዳቶም እዩ። ፃድቕ ካብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ፥ ዓመፃ ኸዓ እንተ ገበረ፥ ብሰንካ ኽመውት እዩ። ሓጥእውን ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን ድማ እንተ ገበረ፥ ብህይወት ክነብር እዩ። ንስኻትኩም ግና መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ትብሉ ኣለኹም፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ።” ኮነ ድማ፥ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ነታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናባይ መፀ እሞ፥ እታ ኸተማስ ተትሒዛ በለኒ። እቲ ዘምለጠ እንተይመፀ እንተሎ፥ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መፂኣ ነበረት። ንፅባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዝመፀኒ ኸዓ ኣፈይ ከፈተለይ። በዝ ከምዙይ ኣፈይ ተኸፍተለይ፤ ድሕሪዙይ ከዓ በሃም ኣይኮንኩን። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ምድሪ እስራኤል ዘለዉ፥ ኣብርሃም ንበይኑ ነበረ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣውን ወረሳ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፤ እታ ምድሪ ድማ ርስቲ ኽትከውን፥ ንኣና ተውሂባ እያ፥ ይብሉ ኣለዉ። “ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣለኹም፤ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣዖታትኩም፥ ቈላሕ ይብላ ኣለዋ። ደም ትኽዕዉ ኣለኹም፤ ምስ ናይ እዙይስ፥ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም። ኣብ ሰይፍኹም ትፅግዑ፥ ፅያፍ ትገብሩ ኣለኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብፃዩ የርክስ ኣሎ፤ ምስ ናይ እዙይስ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “ኣነ ህያው እየ፤ እቶም ኣብ ዑናታት ዝነብሩ፥ ብርግፅ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኸዓ፥ ብልዒ ኣራዊት ክኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕሩድ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ዝነብሩ ድማ ብፌራ ኽሞቱ እዮም። ኣነ ነታ ምድሪ እቲኣ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ፤ እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ፤ እምባታት እስራኤል ድማ ዝሓልፈሉ ዘይብሉ ኾይኑ ኽባድም እዩ። ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ ፅያፎም፥ ነታ ምድሪ እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ምስ ገበርክዋ፥ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።” “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን፥ ኣብ ኣፍ ደገታት ኣባይትን ኮይኖም፥ ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ፤ ንስንሳቶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ‘እስኪ ንዑናይ ካብ እግዚኣብሄር ዝወፅእ ቃል፥ እንታይ ከም ዝኾነ ንስማዕ’ ይባሃሃሉ ኣለዉ። ከም ኣመፃፅኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመፁ፤ ከም ህዝበይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፤ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፤ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም፤ ብኣፎም ድማ ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፤ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዝኸይድ። እምበኣርከስ ንስኻ ፅቡቕ ድምፂ ኸም ዘለዎ ተፈታዊ መዝሙር፥ ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ኮንካዮም፤ ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፥ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። እንሆ እዙይ ይመፅእ ኣሎ፤ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቢይ ኣብ ማእኸሎም ከም ዝነበረ ኽፈልጡ እዮም።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እስራኤል ተነበ። ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ ነቶም ንርእሶም ጥራሕ ዝጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም! እቶም ጓሶትስ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኮኑን ዝጓስዩ። ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፤ ፀምሪ ትኽደኑ፤ ነቲ ዝሰብሐ ተሓርዱ፤ ነቲ መጓሰ ግና ኣይተውፍሩን። ንዝደኸማ ኣየበርታዕኩምን፤ ንዝሓመማ ኣይፈወስኩምን፤ ንዝተሰብረት ኣይፀገንኩምን፤ ንዝተባረረት ኣይመለስኩምን፤ ንዝጠፍአት ኣይደለኹምን፤ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኹምወን። ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፤ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኸዓ መብልዕ ኮና፤ ፋሕውን በላ። ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ እምባታትን፥ ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ተባረራ፥ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፤ ብዛዕባኣተንውን ግዲ ዘለዎን ዝደልየንን የለን።” ስለዙይ “ኣቱም ጓሶት ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣባጊዐይ ተዘሪፈን፥ ኣባጊዐይ ከዓ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ መብልዕ ኮይነን፥ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን። ጓሶተይ ድልየት ኣባጊዐይ ኣይገበሩን፤ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፥ ነባጊዐይስ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፥ ስለዙይ ኣቱም ጓሶት ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እየ፤ ኣባጊዐይ ከዓ ኻብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፥ ጓስነት ኣባጊዐይ ከሕድጎም እየ፤ ድሕሪዙይ ቀለቦም ከይኾና ድማ፥ ካብ ኣፎም ክምንዝዐን እየ፤ ይብል ኣሎ።” ስለዙይ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እኒሀኹ ኣነ ባዕለይ፥ ነተን ኣባጊዐይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ። ከምቲ ጓሳ በታ እተን መጓሰኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ፥ ኣብ ማእኸል ኣባጊዑ ፀኒሑ ዝደልየን፥ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፥ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደመናን ፀልማትን ፋሕ ኢለናኦ ካብ ዝነበራ ቦታ ኸዓ ኸናግፈን እየ። ካብ ኣህዛብ ከውፅአን፥ ካብ ሃገራት ክእክበን፥ ናብ ሃገረን ድማ ኽመልሰን፥ ኣብ እምባታት እስራኤልን፥ ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ፥ ኣብቲ ሰብ ዝነብረሉ ዅሉ ቦታ እታ ምድርን ክጓስየን እየ። ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ ኸውፍረን እየ፤ ደምበአን ከዓ ኣብቲ ነዋሕቲ እምባታት እስራኤል ክኸውን እዩ፤ ኣብኡ ኣብ ፅቡቕ ደምበ ኽዔማ፥ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክጓሰያ እየን። ኣነ ባዕለይ ነባጊዐይ ከውፍረን፥ ባዕለይ ድማ ኸስፍረን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ፥ ብፍትሒውን ክጓስየን እየ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣትን ኣባጊዐይ፥ እንሆ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፥ ኣብ መንጎ ማጓሉን ዲባሉን ክፈርድ እየ። ነቲ ዝተረፈ መውፈሪኹም በእጋርኩም እትረግፅዎስ ኣብቲ ልሙዕ ምውዓልዶ ውሒዱኩም እዩ? ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎኸ፥ እቲ ፅሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒዱኩም እዩ? እሞ እተን ኣባጊዐይ፥ እቲ በእጋርኩም እተረግፀዶ ኽበልዓ እየን? እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎኸ ኽሰትያ ድየን?’ ” ስለዙይ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ እኒሀኹ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን፥ እተን ዕባሩ ኣባጊዕን ክፈርድ እየ። ንዅለን እተን ዝሓመቓ፥ ክሳዕ ሰጒጕኩም ፋሕ እተብልወን፥ ብጐድንን ብማእገርን ስለ ዝጐነፅኩምወን፥ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኹምወን፥ ስለዙይ ኣነ ነባጊዐይ ድሕሪዙይ ንዘመተ ኸይውፈያ ኸድሕነን፥ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከዓ ኽፈርድ እየ። ኣነ ድማ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፥ ንዳዊት ባርያይ ከተስአለን እየ፤ ንሱ ኽጓስየን፥ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእኸሎም ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ። ኣነ ምስኣተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፥ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ንሳተን ከዓ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፥ ኣብ ዱርውን ክዔማ እየን።” ኣነ ኸዓ “ንኣኣተን ነቲ ኣብ ዙርያ ዀረብታይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ፤ ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፤ ዝናም በረኸትውን ክኸውን እዩ። ኦም በረኻ ፍረኡ ኸፍሪ እዩ፤ ምድሪ እውን በቝላ ኽትህብ እያ። ኣብ ምድሮም ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፥ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከዓ ምስ ኣናገፍክዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። ድሕሪዙይ ዘመተ ኣህዛብ ኣይኾኑን እዮም። ኣራዊት ምድሪ ኸዓ ኣይበልዕዎምን እዮም፤ አረ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ዘፍርሖምውን የለን። ንናእዳ ዝኾኖም ተኽሊ ኸተስአሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኣብታ ምድሪ ብጥሜት ኣይጠፍኡን፤ ድሕሪ ደጊም ድማ ፀርፊ ህዝብታት ኣይፆሩን እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም ከም ዝኾንኩ፥ እቶም ቤት እስራኤልውን ህዝበይ ከም ዝኾኑ ኽፈልጡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ኣቱም ኣባጊዐይ፥ ኣባጊዕ መውፈሪየይ፥ ንስኻትኩም ሰባት ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ እምባ ሴይር ኣብል፤ ተነበየሉውን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ኣታ እምባ ሴይር እኒሀኹ ኣብ ልዕሌኻ እየ፤ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ።” “ንኸተማታትካ ኸዕንወን እየ፤ ንስኻ ድማ ኽትባድም ኢኻ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጥ ኢኻ።” “ናይ ሓዋሩ ፅልኢ ስለ ዝነበረካ፥ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ፀበባኦምን በቲ ሓጢኣቶም፥ እተፈፀመሉ ጊዜን፤ ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፥ ስለዙይ ኣነ ህያው እየሞ፥ ንደም ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ክውፍየካውን እየ፤ ደም ከዓ ኸሳጕጐካ እዩ፥ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር፤ ደም ኣይፀላእኻን እሞ፥ ደም ከሳጕጐካ እዩ። ንእምባ ሴይር ባዶን በረኻን ክገብሮ፥ ነቲ ብእኡ ዝኸይድን ዝምለስን ድማ ኸፅንቶ እየ። ንእምባታቱ ብቕቱላቱ ኽመልኦ እየ፤ ኣብቲ በረኽትኻን ኣብ ሽንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ሩባሩባታትካን፥ ብሰይፊ ዝተቐትሉ ኽወድቁ እዮም። ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽገብረካ እየ፤ ከተማታትካ ድማ ሰብ ዘይነብረለን ክኾና እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጡ ኢኹም።” “እግዚኣብሄር ኣብኣ እንተሎስ፥ ንስኻ እዞም ክልተ ህዝብን፥ እዘን ክልተ ሃገርን ናተይ ክኾኑ፥ ንሕናውን ክንወርሰን ኢና ኢልካ ኢኻ እሞ፥ ስለዙይ ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣነ ኸምቲ ቝጥዓኻን፥ ከምቲ ፀሊእኻ ዝገበርካዮም ቅንኣትካን ክገብር እየ፤ ምስ ፈረድኩኻ ኸዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ርእሰይ ከፍልጥ እየ። ‘እቲ እምባታት እስራኤል በረኻ ኾይኑ፥ ብልዒ ክኸውን ድማ ንኣና ተወፍዩ እዩ’ ኢልካ ዝተዛረብካዮ ዅሉ ፀርፍኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝሰማዕኽዎ ኽትፈልጥ ኢኻ። ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓበኹምለይ፥ ዘረባኹምውን ኣብዛሕኹምለይ፤ ኣነውን ሰሚዐዮ ኣለኹ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ “ኵላ ምድሪ ኽትሕጐስ እንተላ፥ ኣነ ኸባድመካ እየ። ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ስለ ዝባደመ እተሓጐስካዮ፥ ከምኡ ኸውርደልካ እየ፤ ኣታ እምባ ሴይር፥ ንስኻን ኵሉ ኤዶምያስን ኵሉ ብምሉኡ፥ ክትባድሙ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል ኣሎ። ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንእምባታት እስራኤል ተነበየሎም፤ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ ከዓ በሎም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ፀላኢ ኣሰይ፥ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ኾነ” ኢሉ ብዛዕባኻትኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ ስለዙይ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ “ነቶም ዝተረፉ ኣህዛብ ርስቶም ምእንቲ ኽትኮኑስ፥ ንሳቶም ብዅሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ውሒጦምኹምን መመሰሊ ልሳንን መላገፂ ህዝብን ከዓ ዄንኩም ኢኹም እሞ፤ ስለዙይ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንሩባታትን ንሽንጥሮታትን፥ ንዝባደመ ዑናታትን፥ ነተን እተሓድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያአን ዝተረፉ ኣህዛብ፥ ንዘመተን ንባጫን ኮይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዙይ ይብል።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሓጕሶም ብነፍሶም ንዒቖም ዘመተ ኽትከውንስ፥ ነታ ምድረይ እተረስተይዋ ተረፍ ኣህዛብን፥ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ።” እምበኣር “ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንሩባታትን ንሽንጥሮታትን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንሆ ንስኻትኩም ፀርፊ ኣህዛብ ስለ እተሰከምኩም፥ ኣነ ብቕንኣተይን ብቝጥዓይን ተዛረብኩ ይብል ኣሎ ኢልካ፥ ብዛዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፥ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ንሳቶም ነውሮም ክስከሙ እዮም። ግናኸ ኣቱም እምባታት እስራኤል፥ ኣነ ንኣኻትኩም እየሞ፥ እኒሀኹ ናባኻትኩምውን ክምልከት እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፤ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ክጭብጭብ፥ ፍረኹም ከዓ ኽፈሪ እዩ። ኣባኻትኩምን ንዅላ ብዘላ ቤት እስራኤልን ከዓ ሰብ ከብዝሐላ እየ፤ ከተማታት ሰብ ክሰፍሮ፥ ዑናታት ድማ ኽስራሕ እዩ። ኣነ ኸዓ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽባዝሑን ክፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሕደሪ ኽገብረኩም እየ፤ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለፀ ኸዓ ሰናይ ክገብረልኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም። ንሰብ ህዝበይ እስራኤል ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ፤ ክወርሱኻ እዮም፤ ርስቶም ከዓ ኽትከውን ኢኻ፤ ድሕሪዙይውን ውሉድ ዘይብሎም ኣይትገብሮምን ኢኻ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ሰብ በሊዕኺ’ ንህዝብኺ ኸዓ ‘ውሉድ ዘይብሉ’ ጌርኪዮ ኢኺ ይብሉኺ ኣለዉ እሞ። ስለዙይ ድሕሪዙይ ‘ሰብ ኣይትበልዕን’ ንህዝብኺውን ‘ውሉድ ዘይብሉ’ ኣይትገብርዮን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ደጊምስ ፀርፊ ኣህዛብ ኣየስምዐክን እየ። ላግፂ ህዝብታት ኣይትፆርን፤ ድሕሪዙይውን ንህዝብኺ ኣይተዐንቅፍዮምን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል ኣብ ምድሮም እንተለዉ ብመንገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ፤ መንገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ፅግያት ሰበይቲ ነበረ። ሽዑ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝኸዓውዎ ደምን፥ ብጣዖታቶም ከዓ ስለ ዘርከስዋን ቍጥዓይ ኣፍሰስኩሎም። ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘሮኽዎም፤ ኣብ ሃገራት ከዓ ፋሕ በሉ ኣነውን ከም መንገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም። ብዛዕባኣቶም ከዓ፥ እዚኣቶምስያ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፤ ካብ ምድሩውን ወፂኦም” እናተብሃለ፥ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በፅሑ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ። ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ኣናሕሰኹሉ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ፥ ንቤት እስራኤል ንገሮም፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዙይ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝኣተኹምዎም ኣህዛብ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር፥ ምእንታኻትኩም ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝረኸሰ፥ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸዓ፥ እቶም ኣህዛብ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ካብ ህዝብታት ከምፅአኩም፥ ካብ ኵሉ ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ናብ ምድሪኹምውን ክመልሰኩም እየ። ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ። ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም፥ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ። ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፥ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፥ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ። ኣብታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ፥ ህዝቢ ኸዓ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነውን ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ኸናግፈኩም፥ ንእኽሊ ኽፅውዖን ከብዝሖን እየ፤ ድሕሪዙይውን ጥሜት ኣየምፅአልኩምን እየ። ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ ፀርፊ ጥሜት ከይትፆሩስ፥ ንፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ። ሽዑ ነቲ እኩይ መንገድታትኩምን፥ ነቲ ዘይሰናይ ተግባርኩምን ክትዝክሩ፥ ብሰንኪ ሓጢኣትኩምን ፅያፍኩምን ከዓ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል እዙይ ምእንታኻትኩም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፥ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፤ ብሰንኪ መንገድታትኩም ሕፈሩን ተዋረዱን” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ዘንፅሀላ መዓልቲ፥ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዝነብረን፥ እቲ ዑናታት ከዓ ኸም ዝስራሕ ክገብር እየ። እታ ዝባደመት ምድሪ፥ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ሓለፍቲ መንገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፥ ክትሕረስ እያ። ሽዑ ኸዓ ‘እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ፥ ከም ገነት ኤደን ኮነት፤ እተን ዝባደማን ዝዓነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ፥ ዝተዓረዳን ሰብ ዝነብረለንን ኮና’ ኽበሃል እዩ። እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ኣህዛብ ከዓ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕኹዎ፥ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮ ድማ እየ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለዙይ፥ ቤት እስራኤል እዙይ ክገብረሎም ክደልዩኒ እዮም፤ ኣነውን ንሰብ ከም መጓሰ ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ። ከምተን እተቐደሳ መጓሰ፥ ከምተን ኣብ በዓላታ ዝኾና መጓሰ ኢየሩሳሌም፥ እተን ዝባደማ ኸተማታት፥ ብመጓሰታት ሰብ ክመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።” ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመንፈስ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ማእኸል እታ ለሰ ድማ ኣንበረኒ፤ ንሳውን ኣዕፅምቲ መሊእዋ ነበረ። ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብቲ ዝባን ለሰ የመና ብዙሕ ነበረ፤ እንሆ የመናውን ንቑፅ ነበረ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶምስ ህያዋንዶ ክኾኑ እዮም? በለኒ” ኣነ ድማ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንስኻ ትፈልጥ” ኢለ መለስኩ። ንሱ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ተነበ፦ ኣቱም ንቑፃት ኣዕፅምቲ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካውን ንገሮም በለኒ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም። ጅማውቲ ኸንብረልኩም፥ ስጋ ኽገብረልኩም፥ ብቘርበት ክኸድነኩም፥ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ህያዋን ከዓ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።” ከምቲ ዝተአዘዝክዎ ኸዓ ተነበኹ፤ ክንበ እንተለኹ ድማ ድምፂ ኾነ፤ እንሆ ኸዓ ምንቕናቕ ኮነ፤ እቶም ኣዕፅምቲውን ዓፅሚ ምስ ዓፅሙ ተቓራረበ። እንሆ ኸዓ ጅማውትን ስጋን ክወፆም ቈርበት ድማ ክኸድኖም ረአኹ፤ እስትንፋስ ግና ኣይነበሮምን። ሽዑ ንሱ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ ንንፋስ ተነበየሉ፤ ንንፋስ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣታ ንፋስ እዞም ቅቱላት ህያዋን ክኾኑስ፥ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ነዓ እሞ፥ ኣብኣቶም ንፈስ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ” በለኒ። ኣነ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ተነበኹ፤ እስትንፋስ ድማ ኣተዎም፤ ህያዋንውን ኮኑ፤ በእጋሮም ከዓ ቖሙ፤ የመና ዓብዪ ጭፍራውን ነበሩ። ሽዑ ንሱ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም፥ ናይ ኵላ ቤት እስራኤል እዮም፤ እንሆ ንሳቶም ‘ኣዕፅምትና ነቐፃ፤ ተስፋና ተቐበፀ፤ ንሕና ጠፊእና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ። ስለዙይ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፤ እንሆ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት እየ፤ ኣቱም ህዝበይ ካብ መቓብራትኩም ድማ ኸውፅአኩም፥ ናብ ምድሪ እስራኤልውን ከእትወኩም እየ። ኣቱም ህዝበይ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፥ ካብ መቓብራትኩም ከዓ ምስ ኣውፃእኩኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፤ ህያዋን ከዓ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምድሪኹም ድማ ኸንብረኩም እየ እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን፥ ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም ይብል እግዚኣብሄር።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ሓደ በትሪ ውሰድ እሞ ‘ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ፤ ድሕሪኡውን ካልእ በትሪ ‘ኤፍሬምን ኵላ ቤት እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ። ሓደ በትሪ ክኸውንስ፥ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣጋጥሞ፤ ኣብ ኢድካ ኸዓ ሓደ ክኸውን እዩ። እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፥ እዝ እትገብሮ ዘለኻ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ሓሳብካዶ ኣይትገልፀልናን ኢኻ? ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፥ ንስኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን፥ ነገድ እስራኤል ብፆቱን ዘሎ በትሪ ዮሴፍ ክወስድ፥ ኣብቲ በትሪ ይሁዳ ኸዓ ኽድርቦም፥ ኣብ ኢደይ ሓደ ክኾኑስ፥ ሓደ በትሪ ኽገብሮም እየ። “እቲ ዝፀሓፍካሉ በትሪ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፥ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ምድሮምውን ከእትዎም እየ። ኣብታ ምድሪ ኣብ እምባታት እስራኤል ከዓ፥ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፤ ንዅላቶም ሓደ ንጉስ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኽልተ ህዝቢ ኣይኾኑን፤ ድሕሪዙይውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይምቀሉን እዮም። ድሕሪ ደጊም፥ ብቲ ጣዖታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ሓጢኣቶምን ኣይረኽሱን እዮም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዝገብሩሉን ዝነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንፅሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። ዳዊት ባርያይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ፥ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ክኾኖም እዩ፤ ብፍርደይ ከዓ ኽመላለሱ፥ ንሕግጋተይውን ክሕልውዎን ክገብርዎን እዮም። ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፥ ኣቦታትኩም ከዓ ዝነበርዋ ምድሪ ኽነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን፥ ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ባርያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ንጉሶም ክኸውን እዩ። ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፤ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ክኾነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ፤ ንመቕደሰይ ከዓ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ከቑሞ እየ። ማሕደረይ ምስኣቶም ክኸውን እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑ እዮም። መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ምስ ኮነ፥ እቶም ኣህዛብ እቲ ንእስራኤል ዝቕድስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መፀ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ጎግ ኣብ ምድሪ ማጎግ፥ እቲ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን መልስ እሞ ኣንፃሩ ተነበየሉ፤ በልውን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣታ ጎግ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን ኣብ ክሳድካ ኣለኹ። ክመልሰካ ኣብ ምንጋጋኻ ልጓም ክገብር እየ፤ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱ ብዙሓት ጭፍራን፥ ዋልታን ቍራዕን ዘለዎም፥ ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥ ምስኣቶም ከዓ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፥ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ዓብዪ ጭፍራ ገይረ ኸውፅአካ እየ። ንጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ቤት ቴርጋማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ንብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ ኸውፅኦም እየ። ተዳሎ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፤ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን። ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትድለ ኢኻ፤ ኣብተን ዳሕረዎት ዓመታት፥ ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፥ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ እምባታት እስራኤል ክትአቱ ኢኻ፤ ካብ ህዝብታት ወፂኣስ ኵላቶም ሃዲኦም ክነብሩላ እዮም። ንስኻ ኽትድይብ፥ ከም ህቦብላ ንፋስ ከዓ ኽትመፅእ ኢኻ፤ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን፥ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ከምቲ ንምድሪ ዝጕልብብ ደመና ኽትከውን ኢኻ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ነገር ኣብ ልብኻ ኽትስእ እዩ፤ ክፉእ ሓሳብውን ክትሓስብ ኢኻሞ፥ ናብታ ዘይተዓረደት ሃገር ክድይብ፥ ናብቶም ሃዲኦም ብደሓን ዝነብሩ ኵላቶም፥ ብዘይ ቅፅሪ ዘለዉ፥ መሀርሀርን መዓፁን ዘይብሎም ህዝቢ፥ ሓደጋ ኸውድቐሎም እየ፥ ክትብል ኢኻ። ክትማርኽን ክትብዝብዝን፥ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕዚ ሰብ ዝነብረሉ ዘሎ፥ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፥ ካብ ኣህዛብ ዝተኣከበ፥ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ፥ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ። ሳባን ዴዳን ነጋዶ ተርሴስን እቶም ኰራዅር ኣናብሱን፥ ምርኮ ኽትማርኽዶ መፂእኻ? ዘመተ ኽትዘምት፥ ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፥ ከፍትን ሃብትን ክትሕዝ፥ ብዙሕ ምርኮ ኽተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮም? ክብሉኻ እዮም።” ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፦ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ህዝበይ እስራኤል ሃዲኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣይትፈልጦን ዲኻ? ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፥ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡን፥ ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ፥ ካብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመፅእ ኢኻ። ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኣቶም ከም ዘምፅአካ፥ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነቢያት እስራኤል ገይረ፥ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን?” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፦ “በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ክፃረረላ ዝመፀላ መዓልቲ፥ መቕሰፍቲ ብመዓተይ ክመፅእ እዩ፤ ይብል ኣሎ። ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እዛረብ ኣለኹ፤ ርግፅ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል፥ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ክኸውን እዩ። ሽዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን፥ እንስሳ በረኻን ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ለመምታን፥ ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን፥ ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ እምባታት ክግልበጡ፥ ኣኻውሕ ክፈርሱ፥ ኵሉ መናድቕ ከዓ ኣብ ምድሪ ኽወድቕ እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ እምባታተይ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽፅውዐሉ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ፥ ኣብ ርእሲ ሓዉ ክኸውን እዩ። ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ፤ ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን፥ ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ኣህዛብን፥ ዝናም መሾምበባን በረድን ሓዊን ዲንን ከዝንም እየ። በዝ ኸምዙይ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክገሃድ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣህዛብ ከዓ ባዕለይ ክፍለጥ እየ፤ ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።” “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጎግ ተነበየሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፥ ኣታ ጎግ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን እኒሀኹ፥ ኣነ ኣብ ልዕሌኻ እየ። ክመልሰካ እየ፤ ክኹብኩበካ እየ፤ ካብ ወሰን ሰሜን ክጐተካ፥ ናብ እምባታት እስራኤል ከዓ ኸእትወካ እየ። ንቐስትኻ ኻብታ ፀጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮ፥ ንፍላፃታትካ ኸዓ ኻብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ። ንስኻ፥ ምስ ኵሉ ጭፍራኻን፥ ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክትወድቕ ኢኻሞ፤ ክበልዑኻውን በብዓይነቶም ንዝኾኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ምድርን ክውፍየካ እየ። ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ኣብ በረኻ ክትወድቕ ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣብ ማጎግን፥ ናብቶም ኣብ ደሴታት ሃዲኦም ዝነብሩ ዘለዉን፥ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም። እቲ ቅዱስ ስመይ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ክረክስ ኣይፈቅድን እየ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ናይ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።” “እንሆ ኽመፅእ፥ ክኸውን ድማ እዩ፤ እታ ብዛዕባኣ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ ድማ ኽወፁ እዮም እሞ፥ ንኣፅዋራት ኲናት ከቃፅሉ እዮም፤ ንዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላፃታትን ኣጕማድን ኲናታትንውን ብሓዊ ኸንድድዎ እዮም፤ ሸውዓተ ዓመትውን ብሓዊ ኸንድድዎም እዮም። በቲ ኣፅዋር ገይሮም ሓዊ ኽእጕዱ እዮም እሞ፥ ካብ በረኻ ዕንፀይቲ ኣየእትዉን፤ ካብ ዱር ከዓ ኣይቘርፁን እዮም፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ክገፍዎም፥ ነቶም ዝዘመትዎም ከዓ ኽዘምትዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ምብራቕ ባሕሪ ዘሎ፥ ለሰ ሓለፍቲ መንገዲ ዝበሃል ቦታ መቓብር ክህቦ እየ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኸዓ፥ መንገዶም ክዓፅወሎም እዩ፤ ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቡን ክቐብርዎም እዮም፤ ለሰ ሓሞንጎግ ድማ ኽበሃል እዩ። ቤት እስራኤል ከዓ ነታ ምድሪ ምእንቲ ኸፅርዩስ፥ ብሸውዓተ ወርሒ ኽቐብርዎም እዮም። ኵሉ ህዝቢ እታ ምድሪ ኽቐብሮም እዩ፤ እዙይውን በታ ኣነ ዝኸብረላ መዓልቲ፥ ንስም ክኾኖም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ምእንቲ ኸፅርዩስ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወዲቖም ዝፀንሑ ኽቐብሩ፥ ምስቶም ቀባሮ ኾይኖም፥ ነታ ምድሪ እንተየቋረፁ ዝዞርዋ ሰብኡት ቈፂሮም ከዋፍሩ እዮም። ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ እውን ሃለው ክብሉ እዮም። እቶም እናዞሩ በታ ምድሪ ዝሓልፉ፥ ሓደ ኻብኣቶም ዓፅሚ ሰብ እንተ ረአየ፥ እቶም ቀባሮ ኣብ ለሰ ሓሞን ጎግ ክሳዕ ዝቐብርዎ፥ መሐበርታ ምልክት ክገብረሉ እዩ። ስም እታ ኸተማ ኸዓ ሓሞና ኽበሃል እዩ፤ በዝ ኸምዙይ ነታ ምድሪ ኸፅርይዋ እዮም።” “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥ ንዅሎም ኣራዊት በረኻን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ተኣኻኺብኩም ንዑ፤ ስጋ ኽትበልዑ ደም ከዓ ኽትሰትዩስ፥ ናብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ፥ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣኻኸቡ።’ ስጋ ናይቶም ጀጋኑ ኽትበልዑ፥ ደም ናይቶም ኣሕሉቕ ምድርን ናይ መኻኽትን ማጓሉን ዲበላታትን ኣብዑርን ክትሰትዩ ኢኹም፤ ኵላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም። ካብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ ሕሩድ፥ ክሳዕ እትፀግቡ እቲ ስቡሕ ክትበልዑ፥ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም። ኣብ ሰደቃይ ብኣፍራስን ብፈረሰኛታትን ብሓያላትን ብተዋጋእትን ክትፀግቡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ኣነ ኸዓ ኽብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክገልፅ እየ፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ነቲ ዝፈፀምክዎ ፍርደይን፥ ነታ ኣብ ልዕሊኣቶም ዘንበርክዋ ኢደይን ክሪኡ እዮም። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው፥ ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ቤት እስራኤል ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከም እተማረኹ ኽፈልጡ እዮም፤ ንኣይ ስለ ዝበደሉ፥ ገፀይ ከወልኩሎም፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶምውን ወፈኽዎም፤ ኵላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ። ከም ርኽሰቶምን ከም መጠን በደሎምን ገበርክዎም፥ ገፀይ ከዓ ኸወልኩሎም።” ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሕዚ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፥ ንዅላ ቤት እስራኤል ከዓ ኽምሕራ፥ ስለ እቲ ቕዱስ ስመይ ድማ ኽቐንእ እየ። ካብ ማእኸል ኣህዛብ ምስ መለስክዎም፥ ካብ ምድሪ ፀላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣህዛብ ኣብኣቶም ምስ ተቐደስኩ፥ ሓደ እኳ ዘፍርሖም ዘይብሎም ኣብ ምድሮም ሃዲኦም ምስ ተቐመጡ፥ ሕፍረቶምን ንኣይ ዝበደሉኒ ዅሉ በደሎምን ክፆሩ እዮም። ኣነ ናብ ማእኸል ኣህዛብ ኣማሪኸዮም ነይረ እየሞ፥ ናብ ምድሮምውን ኣኪበዮም እየሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኻብኣቶም ሓደ እኳ ኣብኡ ኣየትርፍን እየ። ድሕሪ ደጊም ገፀይ ኣይክኽውለሎምን እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ኣፍሲሰ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፥ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፥ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ እታ ኸተማ ኻብ እትውቃዕ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታ፥ ልክዕ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መፀት፤ ንሱውን ናብ ንየው ወሰደኒ። ብናይ እግዚኣብሄር ራእይ ናብታ ምድሪ እስራኤል ወሰደኒ፤ ኣብ ነዊሕ እምባ ኸዓ ኣንበረኒ፤ ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑፅ ከተማ ነበረ። ናብኣ ኸዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ድማ ኸም ነሃስ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፥ ገመድ ልሕፂ እንጣጢዕን፥ ዝእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብታ ደገ ደው ኢሉ ነበረ። እዝ ሰብኣይ እዙይ ከዓ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ምእንቲ ኸርእየካ ናብዙይ ተመሪሕኻ ኢኻ እሞ፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዘርእየካ በዒንትኻ ጠምቶ፤ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ፤ ብልብኻ ኸዓ ኣቕልበሉ፤ እቲ ዅሉ ዝረአኻዮውን ንቤት እስራኤል ንገሮም” በለኒ። እንሆ ኸዓ፥ ነታ ቤት ብወፃኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ፤ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መአመቲት ዘንጊ ኸዓ ምንዋሓ ሽዱሽተ እመት እያ፤ እተን እመታ ድማ አእመትን ስድርን እየን፤ ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተ፤ ሓንቲ ዘንጊ ኾነ፤ ቁመቱውን ሓደ ዘንጊ ኾነ። ድሕሪዙይ ናብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዘላ ደገ መፀ፥ ብደረጃታታ ኸዓ ደየበ፤ ነታ መድረኽ እታ ደገ ድማ ኣመታ፥ ወርዳ ሓንቲ ዘንጊ ነበረ፤ እታ ኻልአይቲውን ወርዳ ሓንቲ ዘንጊ ኾነት። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ንብረት ከዓ፥ ምንዋሓ ሓንቲ ዘንጊ፥ ወርዳ ድማ ሓንቲ ዘንጊ እያ፤ ምርሕሓቕ እተን ክፍሊ ንብረታት ከዓ ሓሓሙሽተ እመት እዩ፤ እታ ኣብታ ናይ ደገ ገበላ ዘላ መድረኽ፥ እታ ደገ ብወገን ውሽጢውን ሓንቲ ዘንጊ ነበረ። ነቲ ብወገን ውሽጢ ዘሎ ገበላ እታ ደገ ኣመተ፤ ሓንቲ ዘንጊውን ኮነ። ንገበላ እታ ደገ ኣመቶ፥ ሸሞንተ እመት ከዓ ኾነ፤ ኣዕምዲ ተዛነብ ድማ ኽልተ እመት ኮና፤ ገበላ እታ ደገውን ብወገን ውሽጢ ነበረ። እተን ናይቲ ናብ ምብራቕ ዘብል ደገ ክፍሊ ንብረታት ሰለስተ በዙይ፥ ሰለስተ ድማ በቱይ ነበራ፤ ሰለስቲአን ልክዕ ሓደ ስፍሪ ነበራ፤ እተን ኣዕምዲ ከዓ በዙይን በቱይን ልክዕ ሓደ ስፍሪ ነበራ። ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ድማ ዓሰርተ ሰለስተ እመት ኮነ። ኣብ ቅድሚ እተን ክፍሊ ንብረታት ዘሎ ሕዳጋት ድማ ሓንቲ እመት በዙይ፥ ሓንቲ እመትውን በቱይ እዩ፤ እተን ክፍሊ ንብረታት ከዓ፥ በዝ ወገን እዙይን በቲ ወገን እቱይን ሸሽዱሽተ እመት ነበረ። ነታ ደገ ኻብ ናሕሲ እታ ሓንቲ ክፍሊ ንብረት፥ ክሳዕ ናሕሲ እታ ኻልአይቲ ኣመተ፤ ወርዱ ኸዓ ኻብ ደገ ንደገ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ኮነ። ነተን ኣዕምዲ ተዛነብ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ኣፀድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ። ካብ ግምባር እታ ኣፍ ደገ፥ ክሳዕ ግምባር ገበላ እታ ውሽጣዊት ደገ ድማ ሓምሳ እመት ነበረ። ኣብተን ክፍሊ ንብረታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕምድን፥ ብዅሉ ዙርያአን ዓይኒ ርግቢ ዘለዎ መሳዅቲ ነበረን፤ ከምኡውን ኣብተን ገበላታት፥ ብወገን ውሽጠን ብዅሉ ዙርያአን መሳዅቲ ነበረን፤ ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕምዲ ከዓ ስየታት ነበረ። ናብቲ ወፃኢ ዓፀድ ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብኡ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ዙርያ እቲ ዓፀድውን ብእምኒ ተነፂፉ ነበረ፤ ኣብቲ እምኒ እተነፀፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ። እቲ ብእምኒ እተነፀፈ ምድሪ፥ ኣብ ጥቓ ደገታት ነበረ፤ ልክዑ ኸዓ ኸም ምንዋሕ እቲ ደገታት እዩ፤ እዙይ እቲ ታሕተዋይ ብእምኒ እተነፀፈ ምድሪ ነበረ። ካብ ቅድሚ እታ ታሕተወይቲ ደገ ሒዙ፥ ክሳዕ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ብወፃኢ ነቲ ወርዳ ኣመቶ፤ ብወገን ምብራቕን ሰሜንን ከዓ መሚእቲ እመት ኣመቶ። ነቲ ንሰሜን ገፁ ዘሎ ናይ ወፃኢ ዓፀድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን ኣመተ። ክፍሊ ንብረታት ሰለስተ በዙይ፥ ሰለስተ ኸዓ በቱይ ነበራ፤ ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታቱን፥ ከምቲ ስፍራ እታ ቐዳመይቲ ደገ ምንዋሑ ሓምሳ እመት፥ ወርዱውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። መሳዅታን ገበላኣን ስየታታን ብልክዕ እታ ናብ ምብራቕ እተብል ደገ ነበረ፤ መደያይቦኣ ኸዓ ሸውዓተ ደረጃ ነበረ፤ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። ደገ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ድማ፥ ብኣንፃር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዝሪኣ ደገታት ነበረ፤ ካብታ ሓንቲ ደገ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ ኣመተ፤ ሚእቲ እመት ከዓ ኾነ። ድሕሪዙይ ናብ ደቡብ ኣቢሉ መርሐኒ፤ እንሆ ኸዓ ናብ ደቡብ እትርኢ ደገ ነበረት፤ ነዕምዳን ገበላታታን ከዓ ኽንዲ እተን መዐቀኒ ኣመተን። ከምተን መሳዅቲ ኸዓ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ነበራ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። መደያይቦኣ ኸዓ ሸውዓተ ደረጃ ነበረ፤ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ኸዓ፥ ስየታት ሓደ በዙይ ሓደ በቱይ ነበረ። እታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ብወገን ደቡብ ደገ ኣለዋ። ካብታ ሓንቲ ደገ፥ ናብታ ሓንቲ ኣብ ወገን ደቡብ ዘላ ኣመተ፤ ሚእቲ እመት ከዓ ኾነ። በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ፥ ናብታ ውሽጣዊት ዓፀድ ኣእተወኒ፤ ነታ ደገ ደቡብ ከዓ ኽንዲ እተን መስፈሪ ኣመታ። ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዳን ገበላታታን ከዓ፥ ክንዲ እቲ መስፈሪ ነበረ። ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን ድማ መሳዅቲ ኣለዋ፤ ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። ዕስራን ሓሙሽተን እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ከዓ ዝወርዱ ገበላታት ብዙርያኣ ነበረ። ገበላታቱ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ እዩ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ተዛነብ ከዓ ስየታት ነበረ፤ መደያይቦኡ ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ። ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ዓፀድ ወሰደኒ እሞ፥ ነታ ደገ ኽንዲ እቲ መዐቀኒ ኣመታ። ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታታን ክንዲ እቲ መዐቀኒ ነበረ፤ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት ወርዳ ኸዓ፥ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። ገበላታታ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ ነበረ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዳ ድማ ስየታት በዙይን በቱይን ነበረ፤ መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ። ናብ ሰሜናዊት ደገ ድማ ወሰደኒ፤ ክንዲ እቲ መዐቀኒ ኸዓ ኣመቶ። ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታታን ከዓ፥ ከምኡ መሳዅቲውን ብዙርያኣ ነበረ፤ ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳ ድማ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። ኣዕምዲ ተዛነብ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ ነበረ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዳ ኸዓ፥ በዙይን በቱይን ስየታት ነበረ፤ መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ። ኣብ ጥቓ እተን ኣዕምዲ ተዛነብ ደገታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ፤ ኣብኣውን ዝቃፀል መስዋእቲ ይሓፅቡ ነበሩ። ኣብ ደገ እታ ገበላ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን፥ ዝሓርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዙይ፥ ክልተ ሰደቓ ድማ በቱይ ነበሩ። ኣብ ጥቓ እቲ ብወፃኢ ዘሎ ናብ ደገ ሰሜን ዘደይብ መሳልል ከዓ፥ ክልተ ሰደቓታት ነበሩ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን እታ ገበላ ደገ ድማ ኽልተ ሰደቓታት ነበሩ። እምበኣርከስ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ኣርባዕተ ሰደቓታት በዙይ፥ ኣርባዕተ ሰደቓታት ከዓ በቱይ ነበሩ፤ እዝ መስዋእቲ ዝሓርዱሉ ሸሞንተ ሰደቓታት ነበሩ። ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ካብ ውቑር እምኒ ዝተገብረ ኣርባዕተ ሰደቓታት ነበሩ፤ ምንዋሑ እመትን ስድርን፥ ወርዱ እመትን ስድርን፥ ምብራኹ ሓደ እመት ነበረ፤ ኣብኡውን ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንኻልእ መስዋእትን ዝሓርዱሉ መሳርሒ ዘንበሮ ነበረ። ሰስድሪ ዝምንዋሑ ዅላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ ነበረ፤ እዝ ሰደቓታት እዙይ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዝንበሮ ነበረ። ኣብ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸዓ፥ ንመዘምራን ዝተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ እትርኢ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ እትርኢ። ንሱውን በለኒ፤ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ትርኢ ዘላ ኽፍሊ ቤት፥ ነቶም ነታ ቤት ከገልግሉ እተመረፁ ኻህናት እያ። እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ፥ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ፤ ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ፥ ካብ ማእኸል ደቂ ሌዊ፥ ደቂ ሳዶቅ እዮም። ነቲ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ዓፀድ ኣመቶ፤ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ወርዱውን ሚእቲ እመት ነበረ፤ እቲ መሰውኢ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት እዩ ዝነበረ። ናብ ገበላ እታ ቤት ከዓ ወሰደኒ፤ ነቲ ኣዕምዲ ተዛነብ እታ ገበላ ድማ ኣመቶ፤ ሓሙሽተ እመት በዙይ፥ ሓሙሽተ እመትውን በቱይ ነበረ፤ ወርዲ እታ ደገ ኸዓ ሰለስተ እመት በዙይ፥ ሰለስተ እመት በቱይ ነበረ። ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ እመት ነበረ፤ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕምዲ ተዛነብ ከዓ ሓደ በቱይ፥ ሓደውን በቱይ ኣዕምዲ ነበሩ። ናብታ መቕደስ ድማ ኣእተወኒ፤ ነቲ ዓምዲ እቲ መንደቕውን ኣመቶ፤ እቲ ወርዱ ኸዓ ኸም ወርዲ እታ ድንኳን፥ ሽዱሽተ እመት በዙይ፥ ሽዱሽተ እመት ከዓ በቱይ ኮነ። ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኸዓ ዓሰርተ እመት ነበረ፤ መእተዊ እታ ኣፍ ደገ ድማ ሓሙሽተ እመት በዙይ፥ ሓሙሽተ እመት ከዓ በቱይ ነበረ፤ ምንዋሓ ኣርብዓ እመት፥ ወርዳውን ዕስራ እመት ኣመቶ። ድሕሪዙይ ናብ ውሽጢ ኣተወ እሞ፥ ንመንደቕ እታ ኣፍ ደገ ኽልተ እመት፥ ነታ ኣፍ ደገ ኸዓ ሽዱሽተ እመት፥ ወርዲ እታ ኣፍ ደገውን ሸውዓተ እመት ኣመቶ። ነቲ ቕድሚ መቕደስ፥ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ዕስራ እመት ኣመቶ፤ “እዚኣ እታ ቅድስተ ቅዱሳን እያ” ኸዓ በለኒ። ድሕሪዙይ መንደቕ እታ ቤት፥ ሽዱሽተ እመት ኣመተ፤ ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብዅሉ ወገና ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸዓ፥ ወርደን ኣረርባዕተ እመት ኣመቶ። እተን ብጐና ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ፥ ሰለስተ ደብሪ ዘለወን ሰላሳ እየን፤ ኣብ መንደቕ እታ ቤት ከይተፀግዓስ፥ ኣብቲ ኣብ ዙርያ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ እታ ቤት ክፅግዓ፥ ኣብኡ ተጋጢመን ነበራ። ኣብ ዙርያ እታ ቤት ካብ ደብሪ ናብ ደብሪ ዝዘውር መደያይቦ ነበረ እሞ፥ እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ብዙርያ ንላዕሊ ኣቢሉ ብዝወፀሉ መጠን፥ እናገፍሐ እዩ ዝኸይድ፤ ስለዙይ ምግፋሕ እታ ቤት፥ ናብ ላዕሊ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ፤ ከምኡውን ካብ ታሕቲ ንላዕሊ፥ ብማእኸላይ ኣቢሉ መደየቢ ነበራ። ኣነ ኸዓ ነታ ቤት ብዙርያኣ ልዕል ዝበለ መሰረት ከም ዘለዋ ረአኹ፤ እቲ መሰረት እተን ብጐኒ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ በታ ዘንጊ ሽዱሽተ እመት ልክዕ ነበረ። እተን ብጐኒ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ እተሃንፃሉ መንደቕ፥ ወርዱ ብወፃኢ ሓሙሽተ እመት ነበረ፤ ኣብ መንጎ እተን ብጐኒ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸዓ፥ ጥራሑ ዝነብር ቦታታት ኣሎ። ኣብ መንጎ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ ብዙርያ እታ ቤት ዐዕስራ እመት ነበረ። ደገታት እተን ብጐኒ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸዓ፥ ናብቲ ጥራሑ ዝነብር ቦታታት፥ ሓንቲ ደገ ንሰሜን፥ ሓንቲ ኸዓ ንደቡብ ኣቢለን ነበራ፤ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታ ኸዓ፥ ብዙርያኡ ወርዱ ሓሓሙሽተ እመት ነበረ። እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ሕዳግ እተሃንፀ ንምዕራብ ወገኑ ወርዱ ሰብዓ እመት ነበረ፤ ናይቲ እተሃንፀ መእተዊ መንደቕ፥ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት ነበረ፤ ምንዋሑ ኸዓ ተስዓ እመት ነበረ። ነታ ቤት ድማ ኣመታ፥ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ኮነት፤ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ እቲ ህኑፅን መንደቑን ከዓ፥ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ኮነ። ቅድሚት እታ ቤት ምስ ናይ እቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዘሎ ፍሉይ ቦታ፥ ወርዱ ሚእቲ እመት ነበረ። ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ቅድሚት እቲ ፍሉይ ዝኾነ ቦታ፥ ክሳዕ እቲ ብወገን ድሕሪት ዘሎ ህንፃን፥ ነቲ በዙይን በቱይን ዘሎ መተሓላለፊኡን ኣመቶ፤ ምንዋሑ ድማ ሚእቲ እመት ኮነ። እታ ውሽጣዊት መቕደስን እቲ ገበላታት እቲ ዓፀድን፥ ናብ ቤተ መቕደስ እተእቱ ኽፍሊ፥ መቕደስ፥ ቅድስተ ቅዱሳን፥ መድረኻትን እቲ ብሽቦ እተሰርሐ መሳዅትን፥ እቲ ኣብ ዙርያ እተን ሰለስተ ደብርታት ዘሎ መተሓላለፍን፥ ኣንፃር እቲ ልዳት፥ ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳዅቲ ድማ ኽዱን ነበረ። ካብ ልዕሊ እታ ደገ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ቤት፥ ብወፃእን ብዅሉ ዙርያ እቲ መንደቕን ብኣታዊኡን ብወፃኢኡን ልክዕ እዩ። ኪሩቤልን ስየን ተቐሪፅዎ ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኪሩቤልን፥ ኪሩቤልን ከዓ ሓንቲ ስየ ነበረት፤ ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ከዓ ኸክልተ ገፅ ነበሮ። ነታ ስየ፥ ናብቲ ሓደ ወገና ገፅ ሰብ፥ ናብቲ ኻልእ ወገና ኸዓ ገፅ ኣንበሳ ነበራ፤ ንብዘላ እታ ቤት ብዅሉ ዙርያኣ ኸምኡ ተገይርዋ ነበረ። ካብ ምድሪ ሒዙ ኽሳዕ እቲ ልዕሊ ደጊኣ፥ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪፅዎ ነበረ፤ እቲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስውን ከምኡ ነበረ። ልዳውቲ እታ መቕደስ ኣርባዕተ መኣዝን ነበሩ፤ ገፅ እታ ቕድስቲ ቦታ ድማ ትርኢታ ኸምኡ ነበረ። እቲ መሰውኢ ድማ ኻብ ሉሕ እተሰርሐ፥ ቁመቱ ሰለስተ እመት፥ ንውሓቱ ኸዓ ኽልተ እመት ነበረ፤ መኣዝኑን ግድግዳኡን ከዓ ሉሕ ነበረ፤ ንሱውን “እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ ማእዲ እያ” በለኒ። ነታ መቕደስን ቅድስቲ ቦታን፥ ክልተ ማዕፆ ኣለዋአን። ነፍሲ ወከፍ ማዕፆ ድማ፥ ክልተ መቃን፥ ኣብ ከክልተ ዝዕፀፉ መቃን ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ኽልተ መቃን ኣለዋአን። ከምቲ ኣብ መንደቕ ዘሎ፥ ኣብተን ደገታት መቕደስ ከዓ፥ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪፅወን ነበረ፤ ኣብ ወፃኢ እቲ ገፅ ገበላ ኸዓ፥ ካብ ረጕድ ኦም እተገብረ ናሕሲ ኣሎ። ኣብ ጐኒታት እታ ገበላ ኸዓ በዙይን በቱይን ዓይኒ ርግቢ ዘለወን መሳዅትን ስየን ነበረ፤ እተን ብጐኒ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ እቲ ህንፃን እቲ ናይ ናሕሲ ዕንፀይትን ከዓ ኸምኡ ነበረ። ድሕሪዙይ ንሱ ናብቲ ናብ ሰሜን ዘብል መንገዲ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣውፅአኒ፤ ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ ኣብ ግምባር እቲ ናብ ሰሜን ዝርኢ ህንፃን፥ ዘሎ ኽፍሊ ቤት ከዓ ኣእተወኒ። እታ ደጊኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እትርኢ፥ ምንዋሓ ሚእቲ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ሓምሳ እመት ነበረ። ኣብ ኣንፃር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸዓ፥ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ነበረ። ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ ዓሰርተ እመት ዝወርዱ መተሓላለፊ ነበረ፤ ናብ ውሽጢ ኸዓ ሓደ ዝእመቱ መንገዲ ነበረ፤ ደገታታውን ናብ ሰሜን ኣቢለን እየን። እቲ መተሓላለፊታት፥ ቦታ ስለ ዝወሰደለን፥ እተን ላዕለዎት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ካብተን ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ናይቲ ህንፃ ይፀባ ነበራ። ንሳተን ሰለስተ ደርቢ እየን እሞ፥ ኣዕምዲስ ኸምተን ናይ ዓፀድ ኣዕምዲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብ ምድሪ ቤት ሒዙ እተን ላዕለዎት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ካብተን ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ይፀባ ነበራ። እተን ኣብ ወፃኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ምንዋሐን ሓምሳ እመት ነበረ፤ እቲ ኣብ መንፅር ቤተ መቕደስ ዝነበረውን፥ ሚእቲ እመት ነበረ እሞ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ናብቲ ወፃኢ ዓፀድ ዘብል፥ ኣብ ወፃኢ ኣብ ኣንፃር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዝነበረ መንደቕ፥ ምንዋሑ ሓምሳ እመት ነበረ። ነቶም ካብ ወፃኢ ዓፀድ ዝኣትዉ፥ ኣብ ትሕቲ እዘን ክፍልታት ቤት እዚኣተን ብወገን ምብራቕ መእተዊ ኣሎ። ኣብ ወገን ምብራቕ ኣብ መእተዊ እቲ መንደቕ ዓፀድ፥ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህኑፅን ክፍልታት ኣባይቲ ነበራ። ኣብ ቅድሚአን ከዓ፥ ከምቲ ናብ ሰሜን ዘብል ክፍልታት ኣባይቲ መተሓላለፊ ነበረ፤ ምንዋሐንን ወርደንን መውፅኢአንን ስርዓተንን ደገአንን ማዕረ ማዕረ ነበረ። ከምተን ናብ ደቡብ ዘብላ ደገታት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እታ መንገዲ ደገ ነበረ፤ ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዝአትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዝነበረት እያ። በለኒውን፥ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታ፥ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ፥ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን፤ ኣብአን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት፥ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር ክበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፥ ኣብኡ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ በደልን ከንብሩ እዮም። እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፥ እተን ዘገልገሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፥ ኣብኡ ኸየንብርወን፥ ካብታ መቕደስ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣይውፅኡ፤ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ፥ ናብቲ ንህዝቢ ዝተመደበ ቦታ ይውፅኡ። ነታ ውሽጣዊት ቤት ኣሚቱ ምስ ወድአ፥ በታ ናብ መንገዲ ምብራቕ እተብል ደገ ኣውፅአኒ፤ በዙይን በቱይን ብዙርያኣ ድማ ኣመታ። ነቲ ወገን ምብራቕ በታ መአመቲት ዘንጊ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ኸዓ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኾነ። ነቲ ወገን ሰሜን ከዓ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ድማ፥ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ኾነ። ነቲ ወገን ደቡብ ከዓ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኾነ። ናብቲ ወገን ምብራቕ ዞረ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኣመቶ። ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ፥ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፤ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት ኮነ፤ እዙይ ነቲ ቕዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዝፈሊ ነበረ። ድሕሪዙይ ናብታ ደገ፥ ናብታ ንምብራቕ ኣቢላ እትርኢ ደገ ኣውፅአኒ። እንሆ ኸዓ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መፀ፤ ድምፁ ድማ ኸም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፤ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት። እቲ ኣነ ዝረአኽዎ ራእይ ድማ፥ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መፃእኹ ዝረአኽዎ ራእይ እዩ፤ እዝ ራእያት እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎ ራእይ ነበረ፤ ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ በታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ደገ፥ ናብታ ቤት ኣተወ። መንፈስ ሓፍ ኣበለኒ፤ ናብታ ውሽጣዊት ዓፀድ ከዓ ኣእተወኒ፤ እንሆ ድማ ኽብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት መልኣ። ኣነ ኸዓ ኻብታ ቤት፥ ሓደ ኽዛረበኒ እንተሎ ሰማዕኹ፤ ኣብ ጥቓይ ድማ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ። በለኒውን፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ንሓዋሩ ዙፋነይ ዝነብረላን፥ እግረይ ዝረግፃን ቦታ እዚኣ እያ፤ ቤት እስራኤል፥ ንሳቶምን ነገስታቶምን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ፥ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን፥ ኣብቲ ላዕለዋይ ቦታኦም ድሕሪዙይ ኣየርክስዎን እዮም። መንደቕ ጥራሕ ኣብ መንጎይን መንጎኣቶምን ክሳዕ ዝኸውን፥ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፥ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ፤ በዝ ዝገበርዎ ርኽሰት ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ፤ ስለዙይ ድማ ብቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም። ሕዚ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታቶምን ካባይ ከርሕቑ እዮም፤ ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እየ።” “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብሓጢያቶም ክሓፍሩስ፥ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮም፤ ምስሊ እቲ ህንፃውን ይለክዑ። በቲ ዅሉ ዝገበርዎ እንተ ሓፈሩስ፥ ንዅሉ ምስላን ስርዓታን ምእንቲ ኽሕልውዎን ክገብርዎን፥ ምስሊ እታ ቤት ኣሰራርዓዓን ነቲ መውፅኢኣን መእተዊኣን ኵሉ ምስላን ኵሉ ስርዓታን፥ ኵሉ ምስላን ኵሉ ሕግጋታን ኣፍልጦም፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከዓ ፀሓፎ። ሕጊ እታ ቤት ድማ እዙይ እዩ፤ እቲ ኣብ ዝባን እቲ እምባ፥ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ፥ የመና ቕዱስ እዩ፤ እንሆ ሕጊ እታ ቤት እዙይ እዩ።” ልክዕ እታ መሰውኢ ድማ ብእመት እዙይ እዩ፤ እታ እመት ከዓ እመትን ስድርን እያ፤ እግሩ ሓደ እመት ወርዱ ኸዓ ሓደ እመት እዩ፤ ብዘሎ ዙርያ ኸፈፉውን ገንዙ ሓደ ስድሪ እዩ፤ እዙይ መሰረት እቲ መሰውኢ እዩ። ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ክልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓደ እመት እዩ፤ ካብቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ፥ ኣርባዕተ እመት ወርዱውን ሓደ እመት እዩ። እቲ ዝባን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት እዩ፤ ካብቲ መአጐዲ ሓዊ መሰውኢ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸዓ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ። እቲ ናይ መሰውኢ መአጐዲ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተ ኽልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ዓሰርተ እመት እዩ፤ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ እዩ። እቲ ሕዳግ ከዓ በርባዕተ ወገኑ፥ ምንዋሑ ዓሰርተ ኣርባዕተ እመት፥ ወርዱውን ዓሰርተ ኣርባዕተ እመት ማዕረ ማዕረ እዩ፤ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ኸፈፍ ድማ ፈረቓ እመት፥ እግሩ ኸዓ ብኽቡ ሓደ እመት እዩ፤ ደረጃታቱውን ናብ ምብራቕ ገፁ እዩ። በለኒ ድማ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብኡ ምእንቲ ኸቕርቡ፥ ደም ከዓ ኣብኡ ኽነፅጉስ፥ በቲ ዝስርሐሉ መዓልቲ ስርዓት እቲ መሰውኢ እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቶም ከገልግሉኒ ኢሎም ዝቐርቡኒ፥ ካብ ዘርኢ ሳዶቅ ዝኾኑ ሌዋውያን ካህናት፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ፤’ ንስኻ ድማ ኻብቲ ደሙ ኽትወስድ፥ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐርኑን፥ ኣብቲ ኣርባዕተ መኣዝን ሕዳጋትን፥ ኣብቲ ኸፈፉን ኣብ ዙርያኡ ኽትገብሮ ኢኻ፤ በዝ ኸምዙይ ክተፅርዮን ክተተዓርቖን ኢኻ። ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ክትወስዶ ኢኻ፤ ኣብ ወፃኢ መቕደስ፥ ኣብቲ እተወሰነሉ ቦታ እታ ቤት ድማ ኽቃፀል እዩ። ብኻልኣይ መዓልቲ ኸዓ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክተቕርብ ኢኻ፤ ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ዘፅረይዎ፥ ነቲ መሰውኢ ኸፅርይዎ እዮም። ምፅራዩ ምስ ፈፀምካ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕ፥ ካብ ኣባጊዕውን ጕድለት ዘይብሉ ማጕላ ኽተቕርብ ኢኻ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክተቕርቦ ኢኻ፤ እቶም ካህናት ድማ ጨው ክንስንሱሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከቕርቡሉ እዮም። ሸውዓተ መዓልቲ ዕለት ዕለት መስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዲበላ ኽተቕርብ ኢኻ፤ ጕድለት ዘይብሎም ዝራብዕን፥ ካብ ኣባጊዕ ድማ ማጕላን ክስውኡ እዮም። ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኸፅርይዎን ከንፅህዎን ክቕድስዎን እዮም። እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ተፈፀማ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልትን ብድሕሪኣን፥ እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ከቕርቡ እዮም፤ ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ድሕሪዙይ ናብ መንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ወፃኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፤ ዕፅውቲ ኸዓ ነበረት። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፥ እዛ ደገ እዚኣ ዕፅውቲ ትኹን፤ ኣይትከፈት ሰብውን ኣይእተዋ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፥ ስለዙይ ብዕፅውታ ትንበር። እቲ ሓለቓ ድማ ኸም ሓለቓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዕ ኣብኣ ኽቕመጥ እዩ፤ ንሱ ብመንገዲ ደገ እታ ገበላ ኽአቱ፥ ብኣኣ ኣቢሉውን ክወፅእ እዩ። ድሕሪዙይ ድማ ብመንገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፥ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምፅአኒ። ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ ኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነዚ ኣነ ብዛዕባ ዅሉ ስርዓት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኵሉ ሕግጋታን ዝነግረካ ዘለኹ፥ ልብኻ ኣውድቐሉ፤ በዒንትኻ ድማ ተመልከቶ፤ በእዛንካውን ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤትን፥ ንዅሉ መውፅኢ እታ ቤተ መቕደስን፥ ኣፀቢቕካ ኣስተብህለሉ። “ነዞም ዓመፅቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎም፦ ኣቱም ቤት እስራኤል ኵሉ ርኽሰትኩም ይእኸልኩም። እንጀራን ስብሕን ደምን ክተቕርቡ እንተለኹም፥ ንቤተይ ከርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገርዘ፥ ስጋኦምውን ዘይተገርዘ ጓኖት፥ ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ። ኣብታ መቕደሰይ ንኣኣቶም ክንዲ ኽንዳኻትኩም፥ ንኣገልግሎተይ መረፅኩምዎም እምበር፥ ነቲ ቕዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ዘለዉ ጓኖት፥ ልቡ ዘይተገርዘ፥ ስጋኡውን ዘይተገርዘ፥ ሓደ ወዲ ጓና እኳ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ።” እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሓቑ፥ ንጣዖታቶም ክስዕቡ ኻባይ ዝረሓቑ ሌዋውያን ግና፥ ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም። ኣብ ደገታት እታ ቤት ከዓ ሓለውቲ ክኾኑ፥ ኣብታ ቤት ከገልግሉስ፥ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ክኾኑ እዮም፤ ንሳቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ክሓርዱ ምእንቲ ኸገልግልዎም ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቖሙ እዮም። ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ኣገልጊሎምዎም፥ ንቤት እስራኤል ከዓ መዐንቀፊ ሓጢኣት ኮይኖምዎም እዮም እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም፥ ኢለ፥ ኢደይ ኣልዓልኩሎም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ንሳቶም ድማ ነውሮምን፥ ነቲ ዝገበርዎ ፅያፎምን ደኣ ኽፆሩ እዮም እምበር፥ ብመዓርግ ክህነት ከገልግሉኒ፥ ናብቲ እተቐደሰ ነገረይ፥ ናብቲ ቕድስተ ቕዱሳን ነገር፥ ናባይ ኣይቐርቡን እዮም። ንዅሉ ስራሓን፥ ነቲ ኣብኣ ዝግበር ኵሉን፥ ሓለውቲ እታ ቤት ክኾኑ ኽሓርዮም እየ።” “እቶም ደቂ እስራኤል ካባይ ክርሕቑ እንተለዉ፥ ንምሕላው መቕደሰይ እተፀምዱ፥ ካብ ወገን ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ከገልግሉኒ ኢሎም ክቐርቡኒ፥ ስብሕን ደምን ክስውኡለይ፥ ኣብ ቅድመይ ዝቖሙ እዚኣቶም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ክኣትዉ፥ ከገልግሉንስ ናብ ማእደይ ክቐርቡ፥ ንኣገልግሎተይውን ክመርፁ እዮም። ብደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ክኣትዉ እንተለዉ፥ ካብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ኣልባሳት ክለብሱ እዮም፤ ኣብ ደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድን፥ ኣብ ውሽጥን ከገልግሉ እንተለዉ ዝኾነ ናይ በጊዕ ጨጉሪ ኣይኽደኑን እዮም። ኣብ ኣራእሶም ናይ ልሕፂ እንጣጢዕ ሻሽ ክጥምጥሙ፥ ኣብ ሕቘኦምውን ናይ ልሕፂ እንጣጢዕ ስረ ኽዕጠቑ፥ ዘርህፅ ነገር ኣይዕጠቑን እዮም። ናብ ወፃኢ ዓፀድ፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ህዝቢ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ኸይቕድስዎስ፥ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ከውፅእዎ፥ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከዓ ኸንብርዎ፥ ካልእ ክዳውንቲ እውን ክኽደኑ እዮም። “ነቲ ፀጕሪ ርእሶም፥ በብሓፂሩ ደኣ ኽቘርፅዎ እዮም እምበር፥ ርእሶም ኣይላፅዩን፤ ፀጕሮም ድማ ኣየንውሑን እዮም። ካህን ዝኾነ ዅሉ፥ ናብቲ ውሽጢ ዓፀድ ክአቱ እንተሎ ወይኒ ኣይሰትን እዩ። ካብ ዘርኢ ቤት እስራኤል ዝኾነት ድንግል ወይ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ደኣ ኸእትዉ እዮም እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ኣየእትዉን እዮም። “ንሳቶም ንህዝበይ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ክምህርዎ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ምልላይ ከዓ ኸፍልጥዎ እዮም። ኣብ ምጕት ፈራዶ ኾይኖም ክቖሙ፥ ከምቲ ፍርደይ ገይሮም ከዓ ኽፈርዱ እዮም፤ ብዅሉ በዓላት ዓመተይ፥ ንሕግጋተይን ንስርዓተይን ክሕልዉ፥ ሰናብተይውን ክቕድሱ እዮም። “ከይረኽሱ፥ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ፤ በቦን እኖን ብወድን ጓልን ብሓውን ብዘይአእተወት ሓፍትን ጥራሕ ይርከሱ። ድሕሪ ምንፃህ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝፀሩሉ። በታ ኣብታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መቕደስ ከገልግል፥ ኣብ መቕደስ ዝኣትወላ መዓልቲ ኸዓ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ርስቲ ይኹኖም፤ ኣነ እየ ርስቶም፤ ኣብ እስራኤል ግደ ኣይትሃብዎም፤ ግደኦም ኣነ እየ። ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ይብልዕዎ፤ እስራኤል ዝሓረምዎ ዘበለውን ንኣኣቶም ይኹን። ኵሉ በዅሪ ፍርያትኩምን፥ ኵሉ መባእኹም ዝኾነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን፤ ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኽሓድራ፥ በዅሪ ሕሩጭኩም ብዛዕባኡ ሃቡ። እቶም ካህናት ካብ ኣዕዋፍ ወይ ካብ ከፍቲ ባዕሉ ሞይቱ ዝበኸተን ወይ ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብልዑ” ድማ በለኒ። እምበኣርከስ ነታ ምድሪ ርስቲ ኽትኮነኩም፥ ብዕፃ ኽትማቐልዋ እንተለኹም፥ ካብታ ምድሪ እተቐደሰ ኽፍሊ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ክተቕርቡ ኢኹም፤ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ እመት ክኸውን፥ ኣብ ዙርያኣ ብዅሉ ወሰናውን ቅድስቲ ኽትከውን እያ። ካብዙይ ድማ ኣርባዕተ መኣዝና ማዕረ ማዕረ ዝኾነ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝምንዋሓ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝወርዳ፥ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ሓምሳ እመትውን ኣብ ዙርያኣ፥ ጥራሑ ኻብ ዝነብር ቦታ ኽውሰኻ እዩ። ካብዝ ልኩዕ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፥ ዓሰርተ ሽሕ እመት ዝወርዳ ኣምት፤ ኣብኣ እታ መቕደስ ቅድስተ ቅዱሳን ትኹን። እዛ ቕድስቲ ግደ እታ ምድሪ፥ ነቶም ኣገልገልቲ መቕደስ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ዝቐርቡ ኻህናት ክትከውን እያ፤ ነባይቶም ስፍራ፥ ንመቕደስውን ቅዱስ ቦታ ኽትከውን እያ። ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፥ ዓሰርተ ሽሕ ዝወርዳ፥ ነቶም ኣብታ ቤት ዘገልግሉ ሌዋውያን ዕስራ ኽፍሊ ቤት፥ ንርስቶም ክትከውን እያ። ንርስቲ እታ ኸተማ ኸዓ ኣብ ኣንፃር እታ ዝወፈኹምዋ መባእ፥ እታ ቅድስቲ ኽፍሊ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ዝወርዳ፥ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ መድቡ፤ እዚኣ ንብዘሎ ቤት እስራኤል ትኹን። ነቲ ሓለቓ ድማ፥ በዙይን በቱይን እታ ቅዱስ መባእ ኮይና እተወፈየት ምድርን፥ ርስቲ እታ ኸተማን፥ ኣብ መንፅር እታ እተቐደሰት መባእን፥ ኣብ መንፅር ርስቲ እታ ኸተማን፥ ምዕራባ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ምብራቓ ድማ ናብ ወገን ምብራቕ ክኸውን እዩ፤ ምንዋሓ ኸዓ ኻብ ወሰን ምዕራብ ሒዙ፥ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ክኸውን እዩ። እቶም ኣሕሉቕ ከዓ፥ እታ ምድሪ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ክህብዎም እዮም እምበር፥ ድሕሪዙይ ንህዝበይ ኣይገፍዕዎምን፤ እዚኣስ ምድሩ፥ ኣብ እስራኤል ድማ ርስቱ ኽትከውን እያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ደጊም ይእኸልኩም፤ ዓመፃን ብዝበዛን ሕደጉ፤ ቅንዕናን ፅድቅን ግበሩ፤ ግፍዕኹም ካብ ህዝበይ ኣርሕቑ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ሓቀኛ ሚዛን፥ ሓቀኛ ኢፍ፥ “ናይ ኢፍን ናይ ባዶስን ልክዑ ማዕረ ይኹን፤ እቲ ናይ ባዶስ መስፈሪ ዓስራይ ኣፍ ቆሮስ፥ “ሓደ ሰቕሊ “እቲ ንስኻትኩም እተቕርብዎ መባእ እዙይ እዩ፤ ካብ ሓደ መስፈሪ ቆሮስ ስርናይ ሻድሻይ ኣፍ ናይ ኢፍ፥ ካብ ሓደ ቆሮስ መስፈሪ ስገም ድማ፥ ሻድሻይ ኣፍ ናይ ኢፍ ወፍዩ። “ናይ ዘይቲ ሕጊ፥ ናይቲ ባዶስ ዘይቲ ኸዓ እዙይ እዩ፤ ዓሰርተ ባዶስ፥ ሓደ ቆሮስ እዩ እሞ፥ ካብ ሓደ ቆሮስ ዓስራይ ኣፍ ባዶስ ይወፈ፤ እቲ ቆሮስ ድማ፥ ዓሰርተ ባዶስ ዝሕዝ ቆሮስ እዩ። “ንኣኣቶም ዝኸውን መቤዘዊ ንምግባር፥ ንመስዋእቲ ብልዕን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ንመስዋእቲ ምስጋናን፥ ካብቲ ማይ ዘለዎ መውፈሪ እስራኤል፥ ካብ መጓሰ ኻብ ክልተ ሚእቲ፥ ሓንቲ በጊዕ ክትውፈ እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። “ብዅሎም ህዝቢ እታ ምድሪ፥ ነዝ መባእ እዙይ፥ ነቲ ሓለቓ እስራኤል ክህብዎ ይግብኦም እዩ። ሓላፍነት እቲ ሓለቓ፥ ብበዓላትን ብሰርቂ ወርሕን ብሰናብትን፥ ብዅሉ በዓላት ዓመት ቤት እስራኤልን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ብልዕን፥ መስዋእቲ መስተን ክውፊ እዩ። ንሱ ንቤት እስራኤል መቤዘዊ ምእንቲ ኽገብረሎም፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ ብልዕን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርብ እዩ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ንስኻ ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ ክትወስድ ኢኻ እሞ፥ ነታ መቕደስ ክተንፅሃ ኢኻ። እቲ ኻህን ድማ፥ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ክወስድ፥ ኣብ ልዳት እታ ቤትን፥ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ሕዳጋት መሰውእን፥ ኣብ ልዳት ደገ እታ ውሽጣዊት ዓፀድን ክነፅግ እዩ። ብሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፥ ስለ እቲ ዝበደለን፥ ስለ እቲ ብገርሁ ዝሰሓተን፥ ከምኡ ኽትገብር ኢኻ፤ ነታ ቤትውን ከምኡ ኽትቢዘውዋ ኢኹም። “በታ መጀመርታ ወርሒ ኻብታ ወርሒ፥ ከዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ይኹነልኩም፤ ቅጫውን ክትበልዑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ሓለቓ፥ ብናይ ርእሱን ብናይ ኵሉ ህዝቢ እታ ምድርን፥ ሓደ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከቕርብ እዩ። በዘን ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ድማ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን፥ ኣብ ፀፅባሕ እዘን ሸውዓተ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ፀፅባሕ ከዓ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዲበላ ኸቕርብ እዩ። ንሱ ድማ መስዋእቲ ብልዒ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ንነፍሲ ወከፍ ማጕላ ከዓ ሓደ ኢፍ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍውን ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ። “ኣብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ በዝ በዓል እዙይ ሸውዓተ መዓልቲ ኸምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፥ ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ናይ እኽሊ ቝርባን ምስ ዘይቲ ኸምኡ የቕርብ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ፥ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ በተን ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ክትዕፆ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ኽትክፈት፥ ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒውን ክትክፈት እያ። እቲ ሓለቓ ከዓ፥ በቲ ገበላ እታ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወፃኢ ኽኣቱ፥ ኣብ ልዳት እታ ደገውን ክቐውም እዩ፤ ካህናት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን ከቕርቡ እዮም፤ ንሱ ድማ ኣብ መድረኽ እታ ደገ ኽሰግድ፥ ድሕሪዙይውን ክወፅእ እዩ፤ እታ ደገ ግና ኽሳዕ ምሸት ኣይትዕፆን እያ። ህዝቢ እታ ምድሪ፥ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን ኣብ መእተዊ እዛ ደገ እዚኣ ኾይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም። እቲ ሓለቓ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ንእግዚኣብሄር ዘቕርበሉ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሽዱሽተ ጡበታትን ጕድለት ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ይኹን። መስዋእቲ ብልዒ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ ሓንቲ ኢፍ፥ ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸዓ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕን፥ ጕድለት ዘይብሎም ሽዱሽተ ጡበታትን፥ ሓደ ማጕላን ከቕርብ እዩ። ንሱ ኸዓ መስዋእቲ ብልዒ፥ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበት ከም ርካቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍ ኸዓ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ። እቲ ሓለቓ ኽኣቱ እንተሎ፥ ብገበላ እታ ደገ ኽኣቱ፥ ብኣኣ ኣቢሉውን ክውፅእ እዩ። “ህዝቢ እታ ምድሪ፥ በተን ዓበይቲ፥ በዓላት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ መፁ፥ እቲ ኽሰግድ ኢሉ በደገ ሰሜን ዝኣተወ፥ ብደገ ደቡብ ክወፅእ እዩ፤ እቲ ብደገ ደቡብ ዝኣተወ ድማ፥ ብደገ ሰሜን ክወፅእ እዩ፤ በታ ኣንፃራ ደኣ ኽወፅእ ኣለዎ እምበር፥ ሓደ እኳ በታ ዝኣተወላ ደገ ኣይምለስን እዩ። እቲ ሓለቓ ኸዓ፥ እቶም ህዝቢ ኽኣትዉ እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ኽኣቱ፥ ንሳቶም ክወፁ እንተለዉ ድማ፥ ምስኣቶም ክወፅእ እዩ። ብበዓላትን ብመዓልቲ ኽብረ በዓላትን፥ እቲ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ማጕላ ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበታትውን ከም ርካቡ፥ ነንሓደ ኢፍ ኸዓ፥ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ። “እቲ ሓለቓ ኸዓ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና፥ ከም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ እንተሎ፥ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ትከፈተሉ እሞ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን፥ ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ከቕርብ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኽወፅእ፥ ምስ ወፀ ድማ እታ ደገ ትተዐፆ። “ጐደሎ ዘይብሉ ናይ ዓመት ጡበት ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ፀፅባሕ ንእግዚኣብሄር ክተቕርበሉ ኢኻ፤ መዓልቲ መዓልቲ ኽተቕርብ ኢኻ። ምስ ናይዝ መስዋእቲ ብልዒ፥ ሻድሻይ ኣፍ ኢፍ፥ መለስለሲ እቲ ሕሩጭ ከዓ፥ ሳልሳይ ኣፍ ኢን ዘይቲ፥ ንግሆ ኽተቕርብ ኢኻ፤ እዝ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዙይ፥ ንሓዋሩ ስርዓት ንዅሉ ጊዜ ክኸውን እዩ። ማጕላን መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን፥ ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኵሉ ጊዜ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትስውኡ ኢኹም።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ሓለቓ ንሓደ ኻብቶም ደቁ ውህብቶ እንተ ሃቦ፥ ርስቱ እዩ፤ እዙይ ንደቁ ይኹን፤ ደቁ ዝወረስዎ ርስቶም እዩ። ንሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ኻብቲ ርስቱ መቒሉ፥ ውህብቶ እንተ ሃቦ ግና፥ እዚኣ ኽሳዕ ዓመት ሓራ፥ ናቱ ትኹን፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብቲ ሓለቓ ትመለስ፤ ርስትነቱ ድማ ንደቁ ክኸውን እዩ። እቲ ሓለቓ ከዓ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም፤ ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይንቀልስ፥ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ኸረስትዮም እዩ።” ድሕሪዙይ ንሱ ናብተን ናብ ወገን ሰሜን ዝሪኣ ናይ ካህናት ቅዱሳት ክፍሊ ኣባይቲ፥ በታ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ዘላ መእተዊት ኣቢሉ ኣእተወኒ፤ እንሆ ድማ ኣብቲ ወሰኑ፥ ንምዕራብ ኣቢሉ ዝርኢ ቦታ ነበረ። ንሱ ኸዓ፦ “እቶም ካህናት ነቲ ህዝቢ ንምቕዳስ፥ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ከየውፅእዎ፤ ነቲ መስዋእቲ በደልን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዘብስሉሉ፥ ነቲ መስዋእቲ ብልዒውን ዝስንክቱሉ ቦታ እዙይ እዩ” በለኒ። ናብ ወፃኢ ዓፀድ ድማ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ኣርባዕቲአን መኣዝን እታ ዓፀድ ከዓ ኣዞረኒ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝን እታ ዓፀድ ድማ ዓፀድ ነበረ። ኣብተን ኣርባዕተ መኣዝን እታ ዓፀድ ድማ፥ እተቘፀራ ዓፀዳት ነበራ፤ ምንዋሐን ኣርብዓ እመት፥ ወርደን ከዓ ሰላሳ እዩ፤ እዘን ኣርባዕተ ብመኣዝን ልክዐን ሓደ እዩ። ኣብ ዙርያአን፥ ኣብ ዙርያ ኣርባዕቲአን ከዓ መንደቕ ነበረ፤ ኣብ እግሪ እቲ መንደቕ ብዙርያ ድማ፥ መብሰሊ ተሰሪሕዎ ነበረ። እዚኣተን ከዓ “እቶም ኣገልገልቲ እዛ ቤት፥ ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ዘብስሉለን እየን” በለኒ። ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤተ መቕደስ መለሰኒ፤ ገፅ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ እሞ፥ እንሆ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ፤ እቲ ማያት ከዓ ኻብ ታሕቲ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፥ ነታ መሰውኢ ድማ ብወገን ደቡባ ይወርድ ነበረ። ድሕሪዙይ ብመንገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውፅአኒ፤ ብመንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፥ ናብታ ኣብ ወፃኢ ዘላ ደገ ብወፃኢ ኣዞረኒ፤ እንሆ ኸዓ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽወፅእ እንተሎ፥ ዝእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፤ ብእኡ ኸዓ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ኣሳገረኒ፤ ክሳዕ ክሳድ እግረይውን በፅሐ። መሊሱ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያት ድማ ኽሳዕ ኣብራኸይ በፅሐ፤ ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በፅሐ። ድሕሪዙይ ሽሕ እመት ኣመተ፤ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሕጅ ኮይኑ እዩ እሞ፥ ኣነ ኽሳገሮ ዘይከኣለኒ ውሕጅ ኮነ። ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ትርኢዶ ኣለኻ?” በለኒ። ሽዑ ወሰደኒ፤ ናብ ወሰን እቲ ውሕጅ ድማ መለሰኒ። ምስ ተመለስኩ፥ እንሆ ወሰና ወሰን እቲ ውሕጅ፥ በዙይን በቱይን ብዙሕ ኣእዋም ነበሮ። በለኒ ድማ “እዝ ማያት እዙይ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፤ ናብ ጐልጐል ክወርድ፥ ናብ ባሕሪ ኸዓ ኽበፅሕ እዩ፤ ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ እቲ ማያት ክፍወስ እዩ። ክኸውን ድማ እዩ፥ ኣብቲ እዝ ውሕጅ እዙይ ዝበፅሖ፥ ኵሉ ዝዋሳወስ ህያው ነፍሲ፥ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ዓሳታት ከዓ ኣዝዮም ክበዝሑ እዮም፤ እዚ ማያት እዙይ ክኣትዎ እዩ እሞ፥ እቲ ማያት ባሕሪ ኽፍወስ እዩ፤ እቲ ውሕጅ ኣብ ዝኣተዎ ድማ፥ ኵሉ ብህይወት ክነብር እዩ። ክኸውን ከዓ እዩ፥ ኣስገርቲ ዓሳ ኣብኡ ክቖሙ፥ ካብ ዔይንጋዲ ኽሳዕ ዔይን ኤግላይም፥ መዘርግሒ መርበብ ክኸውን እዩ፤ ዓሳታት፥ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፥ ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና፥ ጨው ኮይኑ ኽነብር እዩ እምበር፥ ኣይፍወስን እዩ። ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።” እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፥ ወሰናታ እዙይ እዩ፤ ዮሴፍ ክልተ ዕፃ ኽረክብ እዩ። እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ፥ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ምድሪ፥ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ። “ወሰናት እታ ምድሪ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ፥ በታ መንገዲ ሔትሎን ኣቢሉ ክሳዕ ፅዳድ፥ ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት ቤሮታ ሲብራይም፥ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓፃር ሓቲኮን። እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓፃር ዔናን ወሰን ደማስቆ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰሜን ድማ ወሰን ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ሰሜን እዩ። “ብወገን ምብራቕ ድማ፥ ኣብ ማእኸል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስ እዩ፤ ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም፤ እዙይ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ። “እቲ ወሰን ደቡብ ከዓ፥ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ በቲ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ፤ እዙይ እቲ ናብ ደቡብ ዘብል ወሰን ደቡብ እዩ። “እቲ ወገን ምዕራብ ድማ፥ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንፅር ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ። “ነዛ ምድሪ እዚኣ፥ ከከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ። ክኸውን ድማ እዩ፥ ንኣኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ውሉድ ዝወልዱ ጓኖትን፥ ርስቲ ጌርኩም ብዕፃ ምቐልዋ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ከም ደቂ ዓድኹም ክኾኑልኩም እዮም፤ ርስቲ ኽርስተዩ እዮም። ክኸውን ድማ እዩ፥ ነቲ ጓና ኣብታ ዝነብረላ ነገድ፥ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ስማት እቶም ነገድ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ ብጥቓ መንገዲ ሃትሎን ክሳዕ ሃማትን ክሳዕ ኣሶር ዔናንን ወሰን ደማስቆ ናብ ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፥ ካብ ምብራቕ፥ ክሳዕ ምዕራብን ንዳን ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን። ኣብ ወሰን ዳን ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ፥ ንኣሴር ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን። ኣብ ወሰን ኣሴር ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ፥ ንንፍታሌም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን። ኣብ ወሰን ንፍታሌም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንምናሴ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን። ኣብ ወሰን ምናሴ ኸዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን። ኣብ ወሰን ኤፍሬም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንሮቤል ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን። ኣብ ወሰን ሮቤል ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን። ኣብ ወሰን ይሁዳ ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ እቲ እተቕርብዎ መባእ ይኹን፤ ወርዱ ዕስራን ሓሙሽተን እመት፥ ምንዋሑ ኸዓ ኻብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን፤ እታ መቕደስ ድማ ኣብ ማእኸሉ ትኹን። እዛ ንእግዚኣብሄር እተቕርቡሉ መባእ፥ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ትኹን። እዛ ቅድስቲ መባእ እዚኣ ንኻህናት ትኹን። ንሰሜን ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ንምዕራብ ከዓ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፥ ንምብራቕ ድማ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፥ ንደቡብ ከዓ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እዩ፤ እታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ማእኸላ ትኹን። እዚኣ ነቶም፥ እቶም ደቂ እስራኤል ክስሕቱ እንተለዉ፥ ከምቶም ዝስሕቱ ሌዋውያን ዘይሰሓቱ ዝተቐደሱ፥ ንኣገልግሎተይውን እተሓረዩ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ትኹን። እዚኣ ኻብታ ኣብ ወሰን ሌዋውያን ዘላ፥ የመና ቅድስቲ ዝኾነት መባእ ምድሪ፥ ንኣኣቶም መባእ ትኹነሎም። ኣብ ወሰን እታ ናይ ካህናት ከዓ፥ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ንሌዋውያን ትኹን፤ ምንዋሓ ዅላዅላ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ እያ። እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት እያ እሞ፥ ካብኣ ኣይሽጡ ኣይለውጡውን፤ እዛ በዅራት ምድሪ እዚኣ፥ ናብ ካልእ ኣይትሕለፍ። እታ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዘላ፥ ካብቲ ወርዲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሽሕ ግና፥ ነታ ኸተማ ንሓባራዊ ጉዳይ ዝውዕልን ንመንበሪን ንመውፈሪን ይኹን፤ እታ ኸተማውን ኣብ ማእኸሉ ትኹን። ልክዓ ኸዓ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ብወገን ደቡብ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ብወገን ምብራቕ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ብወገን ምዕራብውን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ። እቲ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ዘሎ ቦታ ድማ፥ ብሰሜን ክልተ ሚእትን ሓምሳን፥ ብደቡብ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፥ ብምዕራብውን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ይኹን። እታ ተረፍ ናይቲ ምንዋሕ ብኣንፃር እታ ቅድስቲ መባእ፥ ኣብ ምብራቕ ኣቢላ ዓሰርተ ሽሕ ትኹን፤ እዚኣ ኣንፃር እታ ቅድስቲ መባእ እያ፤ እቶታውን ምግቢ እቶም ሰራሕተኛታት እታ ኸተማ ይኹን። እቶም ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ዝኾኑ ኣብታ ኸተማ ዝሰርሑ ኸዓ ነታ ምድሪ ይሕረስዋ። እታ መባእ ኵላዅላ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ትኹን፤ ንርስቲ እታ ኸተማ ዝኸውን ራብዓይ ክፍሊ እታ ቅድስቲ መባእ ኣልዕሉ። እቲ ዝተረፈ ነቲ ሓለቓ ይኹን፤ በዙይን በቱይን እታ ቅድስቲ መባእ ርስቲ እታ ኸተማ፥ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፥ እታ መባእ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ፥ ኣብ ምዕራብ ከዓ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ናብ ወሰን ምዕራብ ዘብል፥ ማዕረ ማዕረ እቲ ኽፍልታት ዘሎ፥ ነቲ ሓለቓ ይኹን፤ እታ ቅድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤትን ከዓ፥ ኣብ ማእኸል ይኹና። ካብቲ ኣብ ማእኸል ናይ ሓለቓ ዘሎ ርስቲ ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን፥ ኣብ መንጎ ወሰን ይሁዳን ወሰን ብንያምን ዘሎ፥ ነቲ ሓለቓ ይኹን። ነቶም ዝተረፉ ነገድ ድማ፥ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንብንያም ይኹን። ኣብ ወሰን ብንያም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንስምኦን ይኹን። ኣብ ወሰን ስምኦን ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንይሳኮር ይኹን። ኣብ ወሰን ይሳኮር ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንዛብሎን ይኹን። ኣብ ወሰን ዛብሎን ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንጋድ ይኹን። ኣብ ወሰን ጋድ ድማ፥ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ ክሳዕ እቲ ሩባ ግብፂ፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እታ ንነገዳት እስራኤል ዕፃ ኣውዲቕኩም ርስቲ እተማቕልዎም ምድሪ እዚኣ እያ፤ እተን ግዴታታት ከዓ እዚኣተን እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። መውፅኢታት እታ ኸተማ ድማ እዙይ እዩ፤ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ። ደገታት እታ ኸተማ ኸዓ፥ ብስም ነገዳት እስራኤል ይፀውዓ፤ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ሰለስተ ደገ፥ ደገ ሮቤል ሓንቲ፥ ደገ ይሁዳ ሓንቲ፥ ደገ ሌዊ ሓንቲ። ብወገን ምብራቕ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ደገታትውን ሰለስተ ደገ ዮሴፍ ሓንቲ፥ ደገ ብንያም ሓንቲ፥ ደገ ዳን ሓንቲ። ብወገን ደቡብ ከዓ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ፤ ደገታትውን ሰለስተ፥ ደገ ስምኦን ሓንቲ፥ ደገ ይሳኮር ሓንቲ፥ ደገ ዛብሎን ሓንቲ። ብወገን ምዕራብ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ደገታትውን ሰለስተ፥ ደገ ጋድ ሓንቲ፥ ደገ ኣሴር ሓንቲ፥ ደገ ንፍታሌም ሓንቲ እዩ። ዙርያኡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ እመት እዩ፤ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸዓ፥ ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ንኣስፋኔዝ ሓለቓ ስሉባት፥ ካብ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ዓሌት ንጉስን፥ ካብ ወለዶ መሳፍንትን መናእሰይ ዝኾኑ ሓርዩ ኸምፅአሉ ኣዘዞ። ንሳቶምውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምግልጋል ዝኽእሉ፥ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ኣወዳት እዮም። ኣብ ሰብነቶም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ምልኩዓት፥ ብዅሉ ጥበብ መስተውዓልቲ፥ ዝኾነ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ኽእለት ዘለዎም፥ በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎም ክኾኑ ኸም ዘለዎም፥ ናይ ባቢሎን መፃሕፍትን ቋንቋን ከዓ ኽምህርዎም ከም ዘለዎም ኣዘዘ። እቲ ንጉስ ድማ፥ ካብቲ ዝበልዖ ምግብን፥ ካብቲ ንሱ ዝሰትዮ ወይንን፥ መዓልቲ መዓልቲ ድርጎ ሰርዐሎም። ሰለስተ ዓመት ምስ ሰልጠኑ ኸዓ፥ ብድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክቖሙ ኣዘዘ። ካብ ማእኸል እዚኣቶም ድማ ኻብ ደቂ ይሁዳ፥ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያን ነበሩ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከዓ ንዳንኤል ብልጣሶር፥ ንኣናንያ ሲድራቅ፥ ንሚሳኤል ሚሳቅ፥ ንኣዛርያ ድማ ኣብደናጎ፥ ኢሉ ስም ኣውፅአሎም። ዳንኤል ግና፥ በቲ ምግቢ ንጉስን፥ በቲ ዝሰትዮ ወይንን ከይረክስ፥ ብልቡ ሓሰበ፤ ከይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳንኤል፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስን ምሕረትን ሃቦ። ግና እቲ ሓለቓ ስሉባት ንዳንኤል “መብልዕኹምን መስተኹምን ንዝኣዘዘልኩም ንጐይታይ ንጉስ እፈርሕ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ካብቶም ብዕድመ መሓዙትኩም ዝኾኑ መናእሰይ፥ ገፅኩም ዓቢሩ እንተ ተረኽበ፥ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕፅዕዋ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ። ሽዑ ዳንኤል ነቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን፥ መጋቢ ገይሩ ዝሸሞ ሜልዳር፥ “እንበልዖ ጥረምረን እንሰትዮ ማይን ይወሃበና፤ ንዓሰርተ መዓልቲ እውን ንባሮትካ ክትፍትነና እልምነካ ኣለኹ። ደሓር ገፅናን ገፅ እቶም ምግቢ ንጉስ ዝበልዑን ረአየና፤ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዝደለኻዮ ግበር” በሎ። ንሱውን ነዝ ሓሳብ እዙይ ተቐቢሉ፥ ዓሰርተ መዓልቲ ተዓዘቦም። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፥ ካብ ኵሎም እቶም ምግቢ ንጉስ ዝበልዑ መናእሰይ፥ ገፆም በሪሁን ሰብነቶም ፀቢቑን ተርኣየ። ሜልዳርውን ነቲ ዝበልዕዎ ምግብን ዝሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፥ ጥረምረ ሃቦም። እግዚኣብሄር ከዓ ነዞም ኣርባዕተ መናእሰይ እዚኣቶም፥ ኵሉ ፍልጠትን ምስትውዓል መፃሕፍትን ጥበብን ሃቦም። ዳንኤል ድማ ብዅሉ ራእያትን ሕልምታትን መስተውዓሊ ነበረ። እታ ንጉስ ናብኡ ኽኣትዉላ ኢሉ ዝወሰና መዓልቲ ምስ በፅሐት፥ እቲ ሓለቓ ስሉባት ነቶም መናእሰይ ናብ ቅድሚ ናቡከደነፆር ኣእተዎም። እቲ ንጉስ ምስ ኣዘራረቦም ድማ ኻብ ኵሎም ከም ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን ዝበለ ኣይተረኽበን። ስለዙይ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ። እቲ ንጉስ ብዝጠየቖም፥ ብዝኾነ ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ጉዳይ፥ ካብቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ተርጐምቲ ሕልምን ኣስማተኛታትን፥ ዓሰርተ ኢድ በሊፆም ረኸቦም። ዳንኤል ድማ ኽሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብኡ ፀንሐ። ናቡከደነፆር ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ ሕልሚ ሓለመ፤ መንፈሱ ድማ ተሃወኸ፤ ድቃስውን ሰኣነ። ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንተርጐምቲ ሕልሚ፥ ንጠንቈልቲ፥ ንምትሃተኛታት፥ ንኣስማተኛታት፥ ንከለዳውያንን ክፅውዑሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ መፂኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቆሙ። ንሱ ድማ “ሕልሚ ሓሊመስ ሕልሙ እንታይ ከም ዝኾነ ንኽፈልጥ መንፈሰይ ተሃዊኹ ኣሎ” በሎም። ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብቛንቋ ኣራማይስጢ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ንኣና ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፤ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ። እቲ ንጉስ ከዓ “ነገሩ ኻባይ ርሒቑ እዩ፤ እቲ ሕልሚ ረሲዐዮ እየ፤ ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ዘይነጊርኩምኒ፥ ክትስየፉ ኢኹም፤ ኣባይትኹም ድማ መደርበዪ ጓሓፍ ክኾና እየን” ኢሉ መለሰሎም። “ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ነጊርኩምኒ ግና፥ ውህብቶን ሽልማትን ዓብዪ ኽብርን ካባይ ክትቕበሉ ኢኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ትርጕሙውን ኣፍልጡኒ” በሎም። ንሳቶም ድማ መሊሶም “ንጉስ፥ ንኣና ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፤ ንሕናውን ትርጕሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ። እቲ ንጉስ ከዓ “እቲ ነገር ካባይ ከም ዝረሓቐ ስለ ዝፈለጥኩም፥ ጊዜ ንምንዋሕ ትፍትኑ ኸም ዘለኹም፥ ብርግፅ ፈሊጠ ኣለኹ። ነቲ ሕልሚ እንተ ዘይነጊርኩምኒ ግና፥ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽተሕልፉ፥ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሰትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሰማሚዕኹም ኣለኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ኣነ ኸዓ ትርጕሙ ኸም እትነግሩኒ ኽፈልጥ እየ” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ከለውዳውያን ድማ ነቲ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ነቲ ንጉስ ዝጠየቖ ጥያቐ፥ ክምልስ ዝኽእል ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይርከብን። ንጉስ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እንተ ኾነ እኳ ንዝኾነ ጠንቋላይ፥ ኣስማተኛ ወይ ኮኸብ ቈፃሪ ጠይቑ ኣይፈልጥን። እቲ ንጉስ ዝጥይቖ ዘሎ ነገር የመና ዘሸግር እዩ። ኣብ ማእኸል ሰብ፥ ካብ ዘይነብሩ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኮይኑ ንንጉስ ክገልፀሉ ዝኽእል የለን” በልዎ። እዙይውን ነቲ ንጉስ የመና ኣቘጥዖ፤ የመናውን ተናደደ፤ ኵሎም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ጠቢባን ድማ ኽቕተሉ ኣዘዘ። ንጠቢባንውን ክቐትሉ ጀመሩ፤ ንዳንኤልን ነቶም ብፆቱን ከዓ ኽቐትሉዎም ይደልዩዎም ነበሩ። ሽዑ ዳንኤል፥ ነቲ ንጠንቈልቲ ባቢሎን ክቐትሎም ዝተኣዘዘ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንጉስ፥ ንኣርዮክ ብጥበብን በኣእምሮን ተዛረቦ። ዳንኤል ንኣርዮክ፥ ነቲ ናይ ንጉስ ሓለቓ ሰራዊት “እዝ ብርቱዕ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ንጉስ ስለ ምንታይ ወፀ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣርዮክ ድማ ንዳንኤል እቲ ዝኾነ ኣፍለጦ። ሽዑ ዳንኤል ናብ ንጉስ ኣትዩ፥ ነቲ ሕልሙ ንኽትርጕመሉ ጊዜ ኽህቦ፥ ንንጉስ ለመኖ። ድሕሪዙይ ዳንኤል ናብ ገዛኡ ኸደ እሞ፥ ንመሓዙቱ ንኣናንያን ንሚሳኤልን ንኣዛርያስን፥ ነቲ ነገር ገለፀሎም። ዳንኤልን ብፆቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይቕተሉ፥ ብዛዕባ እዙይ ኣምላኽ ሰማይ፥ ምሕረት ንኽገብረሎምን ምስጢሩውን ንኽገልፀሎምን ንኽፅልዩ ኣፍለጦም። በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ፥ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገለፀሉ። ዳንኤል ከዓ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ። ከምዙይውን በለ፦ “ጥበብን ሓይልን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፤ ንነገስታት ይስዕር፤ ንነገስታት ከዓ ይሸይም። ነቶም ጠቢባን ጥበብ፥ ነቶም መስተውዓልቲ ኸዓ ፍልጠት ይህቦም። ንዝዓመቘን ንዝተሰወረን ምስጢር ይገልፅ፤ ነቲ ኣብ ፀልማት ዘሎ ይፈልጦ፤ ብርሃንውን ምስኡ ይነብር። ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይ፥ ነቲ ሕልሚ ንጉስ ኣፍሊጥካና ኢኻ እሞ፥ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሃብካኒ፥ ሕዚ እውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለፅካለይ፥ አመስግነካን እውድሰካን ኣለኹ።” ስለዙይ ዳንኤል፥ ናብቲ እቲ ንጉስ፥ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ከጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደ፤ ኣትዩ ኸዓ “ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፤ ናብ ንጉስ ድማ ውሰደኒ፤ ኣነውን ትርጉም እቲ ሕልሚ ንንጉስ ክነግሮ እየ” ኢሉ ነገሮ። ሽዑ ኣርዮክ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ “ኦ ንጉስ እንሆ፥ ካብቶም ምሩኻት ይሁዳ፥ ንኣኻ ንንጉስ ትርጉም ሕልምኻ ኽገልፅ ዝኽእል ሰብ ረኺበ ኣለኹ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብልጣሶር ዝተብሃለ ዳንኤል “ነቲ ዝረአኽዎ ሕልምን ትርጕሙን፥ ክትነግረኒዶ ትኽእል ኢኻ?” በሎ። ዳንኤል ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ንጉስ፥ ነዝ እትጥይቖ ዘለኻ ምስጢር፥ ክነግረካ ዝኽእል ጠንቋሊ ወይ ኣስማተኛ ወይ መውደቕ ዛዕጐል ወይ ቈፃሪ ኮኸብ የለን። ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ነቲ ብዳሕረዋይ ዘመን ክኸውን ዘለዎ፥ ንንጉስ ናቡከደነፆር ገለፀልካ። እቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ እንተለኻ ዝረአኻዮ ሕልምን ናይ ባዕልኻ ራእይን ከዓ እዙይ እዩ፦ “ኦ ንጉስ፥ ብዛዕባ ድሕሪዙይ ዝኸውን፥ ኣብ ምድቃስካ እንተለኻ ትሓስብ ነበርካ። እቲ ምስጢራት ዝገልፅ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነቲ ዝኸውን ነገር ኣፍለጠካ። እዝ ምስጢር እዙይ ንኣይ ዝተገልፀለይ፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ ጥበብ ስለ ዘለኒ ኣይኮነን፤ ንስኻ ትርጕሙ ምእንቲ ኽትፈልጥ እሞ፥ እቲ ብልብኻ እተሰላስሎ ዝነበረ ነገር፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትርዳእ እዩ። “ኦ ንጉስ፥ እንሆ፥ ንስኻ ዓብዪ ምስሊ ረአኻ፤ እዝ ገዚፍን ዘንፀባርቕን ዓብዪ ምስሊ ድማ፥ ኣብ ቅድሜኻ ቖይሙ ረአኻ፤ ትርኢቱውን ዘገርምን ዘፍርሕን ነበረ። እዝ ምስሊ እዙይ፥ ርእሱ ፅሩይ ወርቂ፥ ደረቱን ቀላፅሙን ብሩር፥ ከብዱን ሕቘኡን ከዓ ነሃስ ነበረ። መሓውሩ ሓፂን፥ ኣእጋሩ ኸዓ ገሊኡ ሓፂን፥ ገሊኡ ብመሬት ዝተሰርሐ ነበረ። ክትጥምት እንተለኻ፥ እንሆ፥ ኢድ እንተይነኽኦ እምኒ ተፈንቂሉ ወረደ፤ ነቲ ሓፂንን መሬትን ዝኾነ ኣእጋር ድማ፥ እቲ ምስሊ ወቒዑ ሓምሸሾ። ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ። “እቲ ሕልሚ እዙይ እዩ፤ ትርጕሙ ኸዓ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክንናገር ኢና። ኦ ንጉስ፥ እቲ ኣምላኽ ሰማይ፥ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዝሃበካ፥ ንጉስ ነገስታት ንስኻ ኢኻ። ደቂ ሰብን እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍ ሰማይን ዝነብሩሉ ዅሉ፥ ኣብ ኢድካ ሃበካ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ገዛኢ ገበረካ። እምበኣር እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ። ብድሕሬኻ ድማ ኻባኻ ዝንእስ፥ ካልእ መንግስቲ ኽትስእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዝገዝእ፥ ካልእ ሳልሳይ መንግስቲ ነሃስውን ክትስእ እዩ። እቲ ራብዓይ መንግስቲ፥ ኵሉ ነገር ከም ዝቕጥቅጥን ከም ዝሰባብርን ሓፂን፥ ብርቱዕ ዝኾነ መንግስቲ ኽለዓል እዩ። ሓፂን ንዅሉ ሰባቢሩ ኸም ዘድቅቕ፥ ቅድሚኡ ንዝነበሩ ዅሎም ሰባቢሩ ኸድቅቖም እዩ። ከምቲ ኣእጋሩን ኣፃብዕቱን፥ ፍርቁ ሓፂን ፍርቁ ሻኽላ ኾይኑ ዝረአኻዮ፥ ከምኡ ዝተኸፋፈለ መንግስቲ ክኸውን እዩ፤ ግና ኸምቲ ሓፂንን ሻኽላን ተሓዋዊሱ ዝረአኻዮ፥ ክፋሉ ሓይሊ ሓፂን ክህልዎ እዩ። ከምቲ ኣፃብዕቲ ኣእጋሩ ኽፋሉ ሓፂን፥ ክፋሉ ኸዓ ሻኽላ ዝነበረ፤ ከምኡውን እቲ መንግስቲ ኽፋሉ ወገን ብርቱዕ፥ ክፋሉ ድማ ድኹም ክኸውን እዩ። ከምቲ ሓፂንን ሻኽላን ተሓዋዊሱ ዝረአኻዮ፥ እቲ ህዝቢ ሕውስዋስ ክኸውን እዩ። ከምቲ ሓፂን ምስ ሻኽላ ዘይላገብ፥ ከምኡ ንስንሳቶም ኣይላገቡን እዮም። ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ። ኢድ ሰብ እንተይነኽኦ፥ ካብ እምባ ተፈንቂሉ ዝወረደ እምኒ፥ ንሓፂንን ንነሃስን ንሻኽላን ንብሩርን ንወርቅን ከድቅቖ እንተሎ ዝረአኻዮ፥ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎ ንኣኻ ንንጉስ ኣርእዩካ ኣሎ። እቲ ሕልሚ ትክኽል፥ ትርጕሙ ኸዓ እሙን እዩ።” ሽዑ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ፤ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ከቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ። እቲ ንጉስ ንዳንኤል “ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልፃ ኻብ ከኣልካስ፥ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን፥ ጐይታ ነገስታትን፥ ገላፂ ምስጢራትን እዩ” በሎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል፥ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ኣቐመጦ፤ ብዙሕ ዓበይቲ ውህብቶታትውን ሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ድማ ገዛኢ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎንውን ሓለቓ ገበሮ። ዳንኤል ስለ ዝለመኖ ኸዓ፥ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣብ ልዕሊ ኣውራጃ ባቢሎን ሸሞም፤ ዳንኤል ግና ኣብ በሪ ቤት ንጉስ ነበረ። ንጉስ ናቡከደነፆር ስሳ እመት ዝቑመቱ፥ ሽዱሽተ እመት ዝጐድኑ ናይ ወርቂ ምስሊ ኣስርሐ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎንውን ኣቖሞ። ንመኳንንትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን፥ ኣብ በብሃገሩ ዝተሾሙ ምስለኔታትን፥ ነቲ ንሱ ዘቖሞ ምስሊ ንምረቓ ምእንቲ ኽእከቡ ለኣኸሎም። ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን ኣብ በብሃገሩ ዝተሸሙ ምስለኔታትን ነቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ምረቓ ተኣከቡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊውን ቆሙ። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት እትዛረቡን፥ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ኵሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰማዕኹም፥ ሽዑ ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢልኩም ስገዱሉ። ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ፥ ግና ሽዑ ንሽዑ ናብ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ” ኢሉ ኣወጀ። ስለዙይ ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰምዑ፥ ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። በቲ ጊዜ እቱይ ገሊኣቶም ከለዳውያን፥ ናብ ንጉስ ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም። ንንጉስ ናቡከደነፆር ከዓ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ንስኻ ነፍሲ ወከፍ፥ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃ ደርፍን ዝሰምዕ ኵሉ ሰብ፥ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኽሰግደሉ ኣዘዝካ። ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን፥ ኣብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ ኸዓ ኣዘዝካ። እምበኣር፥ ኦ ንጉስ፥ እቶም ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ከመሓድሩ ዝሸምካዮም፥ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝበሃሉ ኣይሁድ፥ ትእዛዝካ ኣይቕበሉን፤ ንኣማልኽትኻ ድማ ኣየምልኹን፤ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም” በልዎ። ሽዑ ናቡከደነፆር ሓሪቑን ተቘጢዑን፥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከምፅእዎም ኣዘዘ። ንሳቶም ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስ ቀረቡ። ናቡከደነፆር ከዓ “ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፥ ነቲ ኣነ ዘቖምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩም ሓቂ ድዩ? ሕዚ እውን ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ክትሰምዑ እንተለኹም፥ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ እንተ ሰገድኩም ሰናይ እዩ። እንተ ዘይሰጊድኩምሉ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘድሕነኩም ኣምላኽከ መን እዩ?” በሎም። ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከዓ ነቲ ንጉስ “ኦ ናቡከደነፆር፥ በዝ ነገር እዙይ መልሲ ኽንህበካ ኣድላዪ ኣይኮነን። ኦ ንጉስ፥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸድሕነና ይኽእል እዩ፤ ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ። ንሱ ኸድሕነና እንተ ዘይደለየውን፥ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾምን፥ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂ ድማ ኸም ዘይንሰግደሉን ፍለጥ” በልዎ። ሽዑ ናቡከደነፆር ብሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን የመና ተቘጥዐ፤ ትርኢት ገፁውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ኢድ ኣበርቲዖም ከንድድዎ ኣዘዘ። ካብ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ፀዊዑ ኸዓ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣሲሮም ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርብይዎም ኣዘዘ። ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ምስ ቀምሾምን ባርኖሶምን መጐናፀፍያኦምን ምስ ኵሉ ኽዳውንቶምን ተኣሰሩ፤ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸዓ ተደርበዩ። እቲ ትእዛዝ ንጉስ ህፁፅ ስለ ዝነበረን፥ እቲ እቶን ድማ የመና ረሲኑ ስለ ዝነበረን፥ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝደርበይዎም ሰባት እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ቐተሎም። ሰለስቲኦም ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ግና ብእሱሮም ናብቲ ሃልሃል ዝብል ሓዊ ወደቑ። ሽዑ ንጉስ ናቡከደነፆር ተደነቐ፤ ቀልጢፉውን ተስአ፤ ንኣማኸርቱ ድማ “እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርበናዮም ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኮኑን?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ ንንጉስ “ኦ ንጉስ ሓቂ እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸዓ “እንሆ፥ ኣነ እተፈትሑ ሰባት፥ ጕድኣት እንተይበፅሖም፥ ኣብ ማእኸል እቲ ሓዊ እናተመላለሱ እርኢ ኣለኹ፤ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣማልኽቲ ድሕሪዙይ ናቡከደነፆር ናብ ኣፍ እቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ “ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፥ ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንዑ ናብዙይ ውፁ” ኢሉ ፀውዖም። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ካብቲ ሓዊ ወፁ። እቶም መኳንንቲ፥ ሹመኛታት፥ እቶም ገዛእቲ ሃገርን ኣማኸርቲ ቤተ መንግስትን ኣብ ዙርያኦም ተኣከቡ፤ ንሳቶም እቲ ሓዊ ኣብ ሰብነቶም ሓይሊ ኸም ዘይነበሮ፥ ካብ ፀጕሪ ርእሶም ሓንቲኳ ኸም ዘይተቓፀለት ረአዩ፤ ትርኢት ክዳውንቶም ድማ ኣይተለወጠን፤ ጨና ሓዊውን ኣይሓለፎምን። ናቡከደነፆር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ኢሎም፥ ንሰብነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፥ ኣብኡ ተኣሚኖም ንቓል ንጉስ ዘይተኣዘዙ፥ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፥ እቲ ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ።” “ሕዚ ኸዓ ኸምኡ ገይሩ ኸናግፍ ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለን እሞ፥ ዝኾነ ይኹን ካብ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ክፉእ ቃል ዝናገር፥ ንሱ ኽቈራረፅ፥ ቤቱ ኸዓ መደርበዪ ጐሓፍ ክኸውን ኣዚዘ ኣለኹ” በለ። ድሕሪዙይ እቲ ንጉስ፥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን፥ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ልዕል ልዕል ኣበሎም። ሰላም ይብዝሐልኩም። እቲ ልዑል እግዚኣብሄር ዝገበረለይ፥ ተኣምራትን ዘደንቕ ስራሕን ክነግር ፅቡቕ ኮይኑ ተርእዩኒ ኣሎ። ግዝኣቱውን ንውሉድ ወለዶ ይነብር። “ኣነ ናቡከደነፆር ኣብ ቤተይ ዓሪፈ፥ ኣብ ኣዳራሸይውን ደስ ኢሉኒ ነበርኩ። ግና ሓደ ዘደንግፅ ሕልሚ ረአኹ፤ ኣብ መደቀስየይ ደቂሰ እንተለኹ፥ ሓሳባትን ራእያትን ንኣእምሮይ ኣጨነቐኒ። ስለዙይ ኵላቶም ጠቢባን ባቢሎን፥ ናባይ መፂኦም ትርጉም እቲ ሕልሚ ኸፍልጡኒ ኣዘዝኩ። ሽዑ እቶም ኣስማተኛታትን፥ ምትሃተኛታትን፥ ጠንቈልትን፥ ከለዳውያንን ምስ መፁ፥ እቲ ሕልሚ ነገርክዎም፤ ንሳቶም ግና ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ፥ ብልጣሶር ተብሂሉ ዝተሰምየ፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ናባይ መፀ። ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዙይ ኢለ ተዛረብኩ፦ ኣታ ሊቀ ጠቢባን ብልጣሶር፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘለካን፥ ዘይትፈልጦ ምስጢር ከዓ ኸም ዘየለን እፈልጥ እየ እሞ፥ እቲ ዝረአኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጕሙን ንገረኒ። “እቲ ኣብ ምድቃሰይ እንተለኹ ዝረአኽዎ ራእይ ከምዙይ እዩ፦ እንሆ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ማእኸል ምድሪ ኦም ረአኹ፤ ቁመቱ ኸዓ የመና ነዊሕ ነበረ። እቲ ኦም ዓበየ፤ በርትዐውን። ቁመቱ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ መልክዑውን ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይረአ ነበረ። ቈፅሉ ፅቡቕ ነበረ፤ ፍረኡ ኸዓ ንዅሉ ኽምግብ ዝኽእል ብዙሕ ነበረ። እንስሳ ዘገዳም ኣብ ትሕቲኡ የፅልሉ ነበሩ፤ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብ ጨናፍሩ ጐጆአን ሰሪሐን ነበራ። ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ድማ ኻብኡ ይምገብ ነበረ። “ኣብ መደቀስየይ ብባዕለይ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ወረደ። ንሱ ኸዓ ዓው ኢሉ ነዝ ኦም ቍረፅዎ፤ ጨናፍሩ ጠጥፉ፤ ቈፅሉ ኣርግፉ፤ ፍረኡ በትኑ፤ እቶም ኣብ እግሩ ዘለዉ እንስሳን፥ እቶም ኣብ ጨናፍሩ ዘለዉ ኣዕዋፍውን ይህደሙ። ግና ነቲ ጕማድ ምስ ሰራውሩ ብመቝሕ ሓፂንን ነሃስን ኣሲርኩም፥ ኣብ ማእኸል ልምሉም ሳዕሪ በረኻ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ‘ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፤ ብፅሒቱ ኣብ ውሽጢ ሳዕሪ ምድሪ ምስ ኣራዊት ይኹን። ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፤ ልቢ እንስሳ ኸዓ ይወሃቦ፤ ሸውዓተ ዓመት ድማ ይሕለፎ። እዝ ነገር እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ እዩ፤ እቲ ፍርዱውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ። እቲ ልዑል፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ሰባት ከም ዝገዝእን፥ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ንዝደለዮ ኸም ዝህብን፥ ካብ ሰባትውን ንዝተንዓቑ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝሸይምን፥ ኵሎም ህያዋን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።’ “ኣነ ንጉስ ናቡከደነፆር እቲ ዝረአኽዎ ሕልሚ እዙይ እዩ። ኵላቶም ጠቢባን መንግስተይ ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን። ብልጣሶር፥ ንስኻ ግና፥ መንፈስ ናይቶም ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፥ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፥ ትርጕሙ ንገረኒ።” ብልጣሶር ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፥ እቲ ሕልሚ ንፀላእትኻ፥ ትርጕሙ ኸዓ ንተፃረርትኻ ይኹን። እቲ የመና ዓቢይን ጠንኪሩን ዝረአኻዮ ኦም፥ ቁመቱውን ክሳዕ ሰማይ በፂሑ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ እውን ዝተርኣየ፥ ቈፅሉ ዝፀበቐ፤ ፍረኡ ዝበዝሐ፥ ንዅሉ ዝኸውን፥ ምግቢ ዝነበሮ፥ ንኣራዊት በረኻ መፅለሊ ዝኾነን ኣብ ልዕሊ ጨናፍሩ ነዕዋፍ ሰማይ መስርሒ ጐጆ ዝነበሮን ኦም፥ “ኦ ንጉስ፥ ዝዓበኻን ዝበርታዕኻን ንስኻ ኢኻ፤ ዕቤትካ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ሰፍሐ። ኦ ንጉስ፥ ንስኻ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኻ። ንሱ ኸዓ ‘ነታ ኦም ቍረፅዋን ኣብርስዋን፥ ግና ነቲ ጕንዲ ብመቝሕ ሓፂንን ነሃስን ኣሲርኩም፥ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ በረኻ፥ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፤ ሸውዓተ ዓመት ክሳዕ ዝሓልፎ፥ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፤ ምስ እንስሳ በረኻ ኸዓ ኣብ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን’ እንትብል ዝረአኻዮ ራእይ፥ “ኦ ንጉስ፥ ትርጕሙ እዙይ እዩ፤ እዙይ ከዓ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዝወርድ፥ ትእዛዝ ልዑል እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ፥ ክሳዕ እትፈልጥ፥ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ተፈሊኻ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም እንስሳ ኸዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ፤ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ኽትጥልቂ ኢኻ። እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ምስ ሱሩ ኽተርፍ ምእዛዙ፥ ስልጣን ካብ ሰማይ ምዃኑ ምስ ተኣመንካ፥ ሽዑ መንግስትኻ ኸም እትምለሰልካ የመልክት። ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ። እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ናቡከደነፆር በፅሐ። ድሕሪ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ባቢሎን ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቲ ይመላለስ ነበረ። “እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ። እዝ ቓላት እዙይ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ፦ “ኦ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ንኣኻ ተነጊሩካ እዩ፤ መንግስቲ ኻባኻ ተወሲዳ እያ። እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ ኽሳዕ እትፈልጥ፥ ንሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም ብዕራይ ከዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ክትግደድ ኢኻ።” እቲ ዅሉ ዝተነግረ፥ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ተፈፀመ፤ ፀጕሩ ኸም ናይ ንስሪ፥ ኣፅፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኮይኑ ኽሳዕ ዝነውሕ፥ ካብ ሰብ ተፈልዩ ተሰጐጐ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ። እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ። እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን። “በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመለሰለይ፤ መንግስተይውን ምስ ኵሉ ኽብሩን ግርማኡን ዕቤቱን ተመለሰለይ። መማኽርተይን መኳንንተይን ደለዩኒ። ኣነ ኸዓ ኣብ መንግስተይ ፀናዕኹ፤ ካብቲ ናይ ቅድምውን ዝበለፀ ኽብሪ ተወሰኸለይ። “ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።” ንጉስ ብልጣሶር ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፤ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ። ንጉስ ብልጣሶር ወይኒ ምስ ጠዓመ፥ ንሱን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ብእኡ ምእንቲ ኽሰትዩ፥ ነቲ ኣቦኡ ናቡከደነፆር ካብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዝወሰዶ፥ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ከምፅእዎ ኣዘዘ። ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ፥ ኣቑሑ ወርቂ ኣምፅኡ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ከዓ፥ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ። ወይኒ እናሰተዩ፥ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን ብዕንፀይትን ብእምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቶም የመስግኑ ነበሩ። በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፥ ኣብ መንፅር እቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ኣፃብዕቲ ኢድ ሰብ ወፂአን ፀሓፋ። እቲ ንጉስ ነታ እትፅሕፍ ኢድ ረአያ። ሽዑ እቲ ንጉስ ገፁ ተለወጠ፤ ሓሳባቱ ኸዓ ኣጨነቖ፤ ጅማውቲ ሕቘኡ ድማ ላሕልሐ፤ ኣብራኹውን ኣንቀጥቀጠ። ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፤ ግና ነታ ፅሕፈት ከንብብዋን ትርጓሜኣ ኸዓ ነቲ ንጉስ ክነግርዎን ኣይከኣሉን። ሽዑ ንጉስ ብልጣሶር የመና ደንገፀ፤ ገፁ ተለወጠ፤ መኳንንቱውን ተጨነቑ። እታ ንግስቲ ኸዓ ድምፂ ንጉስን መኳንንቱን ሰሚዓ፥ ናብቲ ንሳቶም ዝነበርዎ ኣዳራሽ ኣተወት። ንሳ ድማ፦ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካ፤ ገፅካውን ኣይለወጥ። መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ንሱ ብዘመን ኣቦኻ ምስትውዓልን ፍልጠትን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝኾነ ጥበብን ተረኸቦ። ኦ ንጉስ፥ ኣቦኻ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባንን ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ዓዘምትን ከለዳውያን ሸሞ።” ኣብቲ እቲ ንጉስ፥ “ብልጣሶር” ኢሉ ዝሰመዮ ዳንኤል፥ ብሉፅ መንፈስን ፍልጠትን፥ ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላፅ ምስጢርን ምቕናዕ ዝተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ሕዚ እውን ዳንኤል ይፀዋዕ፤ ንሱ ነቲ ትርጒሙ ኸፍልጠካ እዩ በለቶ። ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣቕረብዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ንዳንኤል “ካብቶም ኣቦይ ንጉስ፥ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም፥ ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝኾንካ፥ ዳንኤል ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። “ኣነ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘለካ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልን ብሉፅ ጥበብንውን ከም ዘለካ፥ ሰሚዐ ኣለኹ። ሕዚ ኸዓ ነዞም ጠቢባንን ፈላጣትን፥ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ኸንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኸፍልጡኒ፥ ናባይ ኣምፂኦምዎም ነይሮም፤ ግና ትርጕም እቲ ነገር ከፍልጡኒ ኣይከኣሉን። ንስኻ ግና ትርጕም ምትርጓም፥ ዝተጠላለፈ ነገር ከዓ፥ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰሚዐ ኣለኹ። እምበኣር ነዛ ፅሕፈት ክተንብባን፥ ትርጕማ ድማ ኽተፍልጠንን እንተ ኽኢልካስ፥ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ኸዓ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ” በሎ። ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ውህብቶኻ ንኣኻ ይኹን፤ ሽልማትካውን ንኻልእ ሃቦ። ኦ ንጉስ ነታ ፅሕፈት ግና ንኣኻ ንንጉስ ከንብበልካ፥ ትርጓሜኣውን ከፍልጠካ እየ።” “ኦ ንጉስ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ናቡከደነፆር፥ መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ። ስለዙይ ብዕቤቱ፥ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን፥ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሑን ነበሩ። ክቐትሎ ንዝደለየ ይቐትሎ፤ ብህይወት ክነብር ንዝደለዮ ይሓድጎ፤ ልዕል ከብሎ ንዝደለየ ልዕል የብሎ፤ ከዋርዶ ንዝደለየ የዋርዶ ነበረ። ግና ልቡ ምስ ተዓበየ፥ ብትዕቢት መንፈሱ ምስ ኣትረረ፥ ካብ ዙፋን መንግስቱ ተዋረደ፤ ክብሩውን ተፈለዮ። ጐይታ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸም ዝሸመሉ ኽሳዕ ዘስተውዕል፥ ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐጐ፤ ልቡ ኸዓ ኸም ናይ እንስሳ ኾነ፤ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።” “ንስኻ ብልጣሶር ወዱ ኸዓ፥ እዝ ዅሉ እናፈለጥካ፥ ልብኻ ኣየትሓትካን። እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን። ስለዙይ ከዓ እታ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዝፀሓፈት ኢድ ካብኡ ዝተልኣኸት እያ። “እዛ ፅሕፍቲ ኸዓ ‘ማኔ፥ ማኔ፥ ቴቄል ፋሬስ’ እትብል ፅሕፈት እያ። ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ኸምዙይ እዩ፦ ‘ማኔ’ እግዚኣብሄር ንመዓልቲታት መንግስትኻ ፀብፂብወን እዩ፤ ንመንግስትኻ ኸዓ ወዲእዎ እዩ። ‘ቴቄል’ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ ተረኸብካ ማለት እዩ። ‘ፋሬስ’ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተውሂባ እያ ማለት እዩ።” ሽዑ ብልጣሶር፥ ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ክኸድንዎ፥ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ኽኣስሩሉ ኣዘዘ። ኣብታ መንግስቲ፥ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ። በታ ለይቲ እቲኣ፥ ብልጣሶር ንጉስ ባቢሎን ተቐትለ። ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸዓ፥ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት እንተሎ፥ ነታ መንግስቲ ወሰዳ። ንዳርዮስ ኣብ ኵላ መንግስቱ፥ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኽሸይም ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮ። እቲ ንጉስ ምእንቲ ኸይጕዳእ፥ ነቶም መሳፍንቲ ዝቈፃፀርዎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ ሸመ። ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ዳንኤል ነበረ። ዳንኤል ግና፥ ፍሉይ ናይ ጥበብ መንፈስ ስለ ዝሓደሮ፥ ካብቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን በሊፁ ተረኽበ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ኵላ መንግስቱ ኽሸሞ ሓሰበ። ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን። ሽዑ እቶም ሰባት “ንዳንኤል ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ መኽሰሲ ኽንረኽበሉ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ። ድሕሪዙይ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ናብቲ ንጉስ ከይዶም “ኦ ንጉስ ዳርዮስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ኵላትና ኣሕሉቕ መንግስትን ሹመኛታትን መሳፍንትን ኣማኸርትን ምስለኔታትን፥ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኣተን ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይ ንሰብ ዝፀለየ፥ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዝድርበ ኽትእዝዝ፥ ብርቱዕ ኣዋጅውን ክትእውጅ ሓቢርና መኺርና ኣለና። ኦ ንጉስ፥ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ክኸውን እሞ ኸይልወጥ፥ ስምካ ፅሒፍካ ነቲ ኣዋጅ ኣፅንዓዮ” ኢሎም ተዛረብዎ። ንጉስ ዳርዮስ ድማ፥ ነቲ ፅሑፍ ኣዋጅ ኣፅንዖ። ዳንኤል ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ብኣዋጅ ከም ዝወፀ ምስ ፈለጠ፥ ናብ ቤቱ ኸደ። እታ ኣብ ደብሪ ዝነበረት ቤቱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ዝጥምታ መሳዅቲ ነበራኣ። እተን መሳዅቲ ብኽፉታተን ከዓ፥ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሻዕ ኣብ መዓልቲ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ ፀለየን ኣመስገነን። ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኺቦም ከይዶም፥ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኽፅልን ክምህለልን እንተሎ ረኸብዎ። እቲ ንጉስ ድማ “እዝ ነገር እዙይ ከምቲ ኽልወጥ ዘይከኣል፥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኮይኑ ፀኒዑ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ “እምበኣር እዝ ካብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝኾነ ዳንኤል፥ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሻዕ፥ ልመናኡ ናብ ኣምላኹ ይፅሊ ኣሎ። ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ወይ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኣዋጅ ኣየኽብርን” በልዎ። እቲ ንጉስ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ጐሃየ፤ ንዳንኤል ምእንቲ ኸናግፎ ኸዓ ምኽንያት ደለየ፤ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብውን ከድሕኖ ፀዓረ። ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተመሊሶም “ኦ ንጉስ፥ እቲ ንጉስ ዘፅንዖ ኣዋጅን ትእዛዝን ከይልወጥ፥ ናይ ሜዶንን ፋርስን ሕጊ ኸም ዝኾነ ፍለጥ” ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ፤ ንዳንኤል ኣምፂኦም ከዓ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎ። እቲ ንጉስ ድማ ንዳንኤል “እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽ የናግፍካ” በሎ። ሓደ እምኒ ኣምፂኦም ከዓ፥ ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ዓፀውዎ። እቲ ንጉስ ድማ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ዝተፈፀመ ኸይልወጥ፥ ብማሕተሙን ብማሕተም መኳንንቱን ሓተሞ። እቲ ንጉስ ናብ ቤተ መንግስቱ ተመለሰ፤ ፆሙ ኸዓ ሓደረ፤ ዝብላዕውን ኣየምፅኡሉን። ድቃስ ድማ ኻብኡ ረሓቐ። ንፅባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተስአ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ። ናብቲ ጕድጓድ ምስ በፅሐ፥ ንዳንኤል እናሕቘንቈነ ብድምፂ ሓዘን ፀውዖ፤ “ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፥ እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽስ፥ ካብ ኣናብስ ከናግፈካዶ ኽኢሉ?” በሎ። ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ እምብዛ ተሓጐሰ፤ ንዳንኤል ከዓ ኻብቲ ጕድጓድ ከውፅእዎ ኣዘዘ፤ ኣውፅእዎውን። ኣብ ኣምላኹ ተኣሚኑ ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይረኸቦን። እቲ ንጉስ ከዓ፥ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ምስ ደቆምን ምስ ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርብይዎም ኣዘዘ። ገና ኣብ ፍርቂ ጕድጓድ እንተይበፅሑ ድማ፥ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፤ ኵሉ ኣዕፅምቶምውን ሰባበሩ። “ሰላም ይብዝሐልኩም! ግዝኣቱውን መወዳእታ የብሉን። ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘድሓነ ድማ ንሱ እዩ።” እዝ ዳንኤል እዙይ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ በዓል ፋርስን የመና ኽቡር ነበረ። ብልጣሶር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ዳንኤል ኣብ ዓራቱ እንተሎ ሕልምን ራእይን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ፀሓፎ፤ ርእሰ ነገሩውን ተናገረ፤ ለይቲ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ካብቲ ባሕሪ ድማ፥ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወፁ። እቲ ቐዳማይ ኣንበሳ ይመስል፤ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዝንቀል ከዓ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል በለ፤ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፤ ልቢ ሰብውን ተውሃቦ። እቲ ኻልኣይ ንድቢ ይመስል ነበረ። ንሱ ብጐድኑ ተስአ፤ ሰለስተ ዓፅሚ ጐድኒ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ሒዙ ነበረ። “ተስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” በልዎ። ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ። ውሕጅ ሓዊ ኻብ ቅድሚኡ ይውሕዝ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፤ እልፍ ኣእላፋት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ፤ ፍርዲ ተጀመረ፤ መፃሕፍትውን ተገለፁ። ሽዑ ኣነ፥ እቲ ንእሽተይ ቀርኒ ብዛዕባ ዝተዛረቦ ድምፂ ዓብዪ ቓል ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተልን፥ ስጋኡ ኣብ ሓዊ ኽሳዕ ዝድርበን ጠመትኩ። ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወሰደ፤ ግና ብህይወት ክፀንሑ፥ ዘመንን ውሱን ጊዜን ተውሃቦም። ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ። ኣነ ዳንኤል ኣብ ውሽጢ ስጋይ መንፈሰይ ደንገፀ፤ እቲ ራእያት ከዓ ርእሰይ ኣጨነቐኒ። ካብቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ናብ ሓደ ቕርብ ኢለ፥ ብዛዕባ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክገልፀለይ ጠየቕክዎ። ንሱውን ትርጕም እቲ ነገር ገለፀለይ። እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ዝትስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም። እቶም ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ቅዱሳን ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽቕበልዋ እዮም፤ ነታ መንግስቲ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ክወርስዋ እዮም። ድሕሪዙይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣስናኑ ሓፂን፥ ኣፅፋሩ ኸዓ ነሃስ ዝኾነ፥ ዝውሕጥን ዝሰባብርን፥ ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋግፅ ዝነበረን፥ ካብ ካልኦት ኣራዊት ዝተፈልየን፥ እምብዛ ዘፍርሕን ራብዓይ ኣራዊት ክፈልጥ ደለኹ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ሰለስተ ኣቕርንቲ ዝወደቑ፥ ደሓር ዝወፀ ንእሽተይ ቀርኒን፥ እቲ ኣዒንቲ ዝነበራኦ፥ ብትዕቢት ዝዛረበሉ ኣፍ ዝነበሮ፥ ትርኢቱ ድማ ኻብቶም ካልኦት የመና ዘፍርሕ ዝነበረ ቐርኒ፥ ክፈልጥ ደለኹ። እዙይ ዝኸውን፥ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ክሳዕ ዝመፅእ፥ ፍርዲ ኸዓ ነቶም ቅዱሳን እቲ ልዑልውን፥ ኣምላኽ ከዓ ኽሳዕ ዝህብ፥ ቅዱሳን እቲ ልዑል መንግስቲ ዝወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትበፅሕ ነበረ። ንሱ ኸዓ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “እቲ ራብዓይ ኣራዊት፥ እቲ ኻብ ኵሉ መንግስታት ፍሉይ ዝዓይነቱ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝለዓል ራብዓይ መንግስቲ እዩ። ንሱ ንዅላ ምድሪ ኽውሕጥን ክረግፅን እዩ። እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸዓ፥ እቶም ካብዝ መንግስቲ እዙይ ዝትስኡ ዓሰርተ ነገስታት እዮም፤ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ፥ ካብቶም ቀዳሞት ዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ፥ ካልእ ክትስእ እዩ፤ ንሰለስተ ነገስታትውን ከውርዶም እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም። ግና ዙፋን ፍርዲ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ፈፂሙ ምእንቲ ኽፀንትን ክጠፍእን ከዓ ግዝኣቱ ኻብኡ ኽውሰድ እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።” ፍፃመ እቲ ነገር ክሳዕ እዙይ እዩ። ኣነ ዳንኤልውን ሓሳባተይ ኬርና ኣጨነቐኒ፤ ገፀይ ተለወጠ፤ ነቲ ነገር ከዓ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ። ብልጣሶር ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ፥ ድሕሪ እቲ ቕድም ዝተገለፀለይ ራእይ ኣነ ዳንኤል ካልእ ራእይ ረአኹ። ብራእይ ከዓ ረአኹ፤ እንትርኢ ድማ፥ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ከም ዘለኹ ረአኹ። በቲ ራእይ ኣብ ጥቓ ሩባ ኡባል ነበርኩ። ኣዒንተይ ኣልዒለ ረአኹ፤ እንሆ፥ ክልተ ዝቐርኑ ማጕላ ኣብ ቅድሚ እቲ ሩባ ደው ኢሉ ነበረ፤ እተን ክልተ ኣቕርንቱ ድማ ነዋሕቲ ነበራ። እታ ሓንቲ ኻብታ ሓንቲ ዝነውሐት ነበረት። እታ ነዋሕ ቐርኒ ደሓር ዝወፀት ነበረት። እቲ ማጕላ በጊዕ ድማ ንምዕራብ፥ ንሰሜን፥ ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ፤ ክቃወሞ ዝኽእል ኣራዊት ግና ኣይነበረን፤ ካብ ኢዱ ኸናግፍ ዝኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረ፤ ዓብዪ ድማ ኾነ። ነዙይ ከስተብህል እንተለኹ፥ እንሆ ዲበላ ጤል ካብ ምዕራብ፥ ምድሪ እንተይረገፀ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ መፀ። እዝ ዲበላ ጤል እዙይ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዒንቱ ዓባይ ቀርኒ ነበረቶ። ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሩባ ደው ኢሉ ናብ ዝረአኽዎ ማጕላ በጊዕ መፀ፤ ብቝጡዕ ሓይሉ ድማ ናብኡ ኣቢሉ ጐየየ። ምስቲ ማጕላ በጊዕ ክዋጋእ እንተሎ ድማ ረአኽዎ፤ የመና ተቘጢዑ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ በጊዕ ወቕዖ እሞ ኽልቲአን ኣቕርንቱ ሰበሮ፥ ናብ ምድሪ እውን ኣውደቖን ረገፆን። እቲ ማጕላ በጊዕ ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፤ ስለዙይ ነቲ ማጕላ፥ ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸኣለ ኣይነበረን። እቲ ዲበላ ጤል ግና እምብዛ እናበርትዐ ኸደ። ምስ በርትዐ ድማ፥ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰበረት፤ ክንድኣ ኸዓ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ዝጥምታ፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣቕርንቲ ኣብ ትሕቲኡ ወፃ። ካብ ሓዲአን ከዓ ንእሽተይ ቀርኒ ወፀ፤ ንሱውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ሰናይ ምድርን ኣቢሉ የመና ዓበየ። ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ልዕል ልዕል በለ፤ ካብ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ድማ፥ ንብዙሓት ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ረገፆም። ክሳዕ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሰማይ እኳ፥ ርእሱ ልዕል ኣበለ፤ ነቲ ዅሉ መዓልቲ ናብኡ ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ ኣትረፎ፤ እታ ማሕደሩ ዝኾነት ቤተ መቕደስውን ፈረሰት። እቲ ሰራዊት፥ ምስ ናይ መዓልታዊ መስዋእቲ፥ ብሰንኪ ሓጢኣት እዩ ዝተውሃቦ። ንሱውን ንሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ኵሉ ዝገብሮ ኸዓ ሰለጦ። ሽዑ ኻብ ቅዱሳን ሓደ ኽዛረብ እንተሎ ሰማዕኹ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ፥ ነቲ ዝዛረብ ዘሎ “ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ መስዋእትን፥ ብሰንኪ ዓመፅ ዝኸውን እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋፅ ምእንቲ ኽወሃብ፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ዕንወት፥ ብራእይ ዝተርኣየ ነገራት ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝኸውን?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን፥ ምሸትን ጊሓትን እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ቤተ መቕደስ መሊሱ ኽነፅህ እዩ” በለኒ። ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ረአኹ፥ ከስተውዕሎ ደለኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ሰብ ዝመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ። ካብ ማእኸል ሩባ ኡባል ድማ “ገብርኤል፥ ትርጉም እዝ ራእይ እዙይ፥ ነዝ ሰብ እዙይ ግለፀሉ” ዝብል ድምፂ ሰብ ሰማዕኹ። ገብርኤል ከዓ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ናባይ ምስ መፀ ደንገፅኩ፤ ፈሪሐውን ብግምባረይ ተደፋእኹ። ንሱ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዝ ራእይ እዙይ፥ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ከም ዝኾነ ኣስተውዕል” በለኒ። ንሱ ኽዛረበኒ እንተሎ፥ ደንጊፀ ብግምባረይ ናብ ምድሪ ተደፋእኹ። ግና ንሱ ዳህሰሰኒ፤ ቀጥ ኣቢሉ ድማ ኣቖመኒ። ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “እዝ ራእይ እዙይ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክኸውን ዘለዎ ዘመልክት ስለ ዝኾነ፥ ደሓር በቲ ዘመን ቍጥዓ እንታይ ከም ዝግበር ከፍልጠካ እየ። “እቲ ዝረአኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ማጕላ፥ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም። እቲ ዲበላ ድማ መንግስቲ ግሪክ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረ ዓብዪ ቐርኒ ኸዓ፥ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ። እቶም ክንዲ እቲ ዝተሰብረ ቐርኒ ዝወፁ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ካብቲ መንግስቲ ዝለዓሉ ኣርባዕተ መንግስታት እዮም። ብሓይሊ ግና ኣይመዓራረይዎን እዮም። “እዞም መንግስታት እዚኣቶም መወዳእታኦም ምስ በፅሐ፥ መስፈሪ በደሎም መሊኡ ዝቕፅዑሉ ጊዜ ምስ መፀ፥ ሓደ ጨካንን ክኢላን ተንኰለኛን ንጉስ ክለዓል እዩ። ብሓይሉ ደኣ ኣይኮነን እምበር እምብዛ ኽብርትዕ እዩ፤ ዘስካሕክሕ ጥፍኣትውን ክገብር እዩ። ዝገብሮ ዅሉ ኸዓ ኽሰልጦ እዩ፤ ንሓያላት ሰባትን ንቅዱሳን ህዝብን ድማ ኸጥፍኦም እዩ። ብኽእሎ ምድንጋሩ፥ ተንኰሉ ኽሰልጠሉ እዩ፤ የመና ብልቡ ኽዕበ እዩ፤ ብዙሓት ተደላዲልና ብሰላም ተቐሚጥና ኣለና እንትብሉ የጥፍኦም፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ልዑላን ልዑል እኳ ኽትስእ እዩ። ንሱውን ክጠፍእ እዩ፤ ግና ብዘይ ኢድ ሰብ ክስበር እዩ። እቲ ዝተውሃበካ ናይ ምሸትን ጊሓትን ራእይ ሓቂ እዩ። እዝ ራእይ እዙይ፥ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ክፍፀም እዩ እሞ፥ ምስጢር ጌርካ ሕተሞ።” ሽዑ ኣነ ዳንኤል የመና ደኸምኩ፤ ንብዙሕ መዓልቲ ድማ ሓሚመ ደቀስኩ፤ ብድሕሪኡ ተሲአ ኸዓ ናብ ስራሕ እቲ ንጉስ ከድኩ። በቲ ራእይ ከዓ እድነቕ ነበርኩ፤ ክርድኦ ዝኽእልውን ኣይነበረን። ዳርዮስ ወዲ ኣርጤክስስ ሜዶናዊ፥ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ብመጀመርታ ዓመት፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ኣነ ዳንኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ፥ ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ፥ ዕንወት ኢየሩሳሌም ዝፍፀመሉ ሰብዓ ዓመታት ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ቍፅሪ ዘመናት ኣስተብሃልኩ። ወጮ ተኸዲነ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሙዅሽቲ ኾይነ፥ ብፆምን ብፀሎትን ብምህለላን፥ ገፀይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቕናዕኹ። “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን፥ ኪዳንካን ምሕረትካን እተፅንዕ፥ ዓቢይን ዝተፈራሕኻን ኣምላኽ! “ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ በደልና፤ ክፍኣት ገበርና፤ ከዳዓትውን ኮንና፤ ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ሕግጋትካን ኣግለስና። ነቶም ንነገስታትናን ነሕሉቕናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርናን ብስምካ ዝተዛረቡ ባሮትካ ነቢያት ኣይሰማዕናዮምን። ኦ ጐይታ፥ ፅድቂ ንኣኻ እዩ፤ ንኣና ግና ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ፥ ብሰንኪ እቲ ንኣኻ ዝበደልዎ በደሎም፥ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዋ ሃገራት፥ ፋሕ ዘበልካዮም ኵሎም እስራኤላውያን ዝበፅሐና ሕፍረት እዩ። እዙይ ከዓ ንሳቶም ንኣኻ ስለ ዝጠለሙ እዩ። ኦ ጐይታ፥ ንሕናን ነገስታትናን፥ ኣሕሉቕናን ኣቦታትናን፥ በደልና፤ ሓፍረት ገፅውን ተኸደንና። ንሕና እኳ እንተ ኸዳዕና፥ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ። ንሕና ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፤ ነቲ ብባሮትካ ነቢያት ጌርካ ዝሃብካና ሕጊ ኣይሓለናን። ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፤ ምስማዕውን ኣበየ። ኣብ ልዕሌኻ ሓጢኣት ስለ ዝሰራሕና፥ ኣብ ሕጊ እቲ ብኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝተፅሓፈ፥ ማሕላን መርገምን ወረደና። ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ እዝ ዅሉ መዓት ወረደና። ግና፥ ካብ ሓጢኣትና ኽንምለስ፥ ናብ ሓቅኻ ድማ ኽነቕልብ ኢልና እኳ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደለናን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዝገብሮ ዅሉ ፃድቕ እዩ እሞ፤ ንሕና ግና ቓልካ ኣይሰማዕናን። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ነዝ መዓት እዙይ ኣምፃእኻልና፤ ኣብ ልዕሌና ኻብ ምምፃእውን ኣይትምለስን። “ሕዚ እውን ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብፂ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውፃእኻ፥ ከምዝ ሎሚ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይውን ስምካ ኽፍለጥ ዝገበርካ ጐይታ ኣምላኽና፥ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና። ብሰንኪ ሓጢኣትናን ብሰንኪ በደል ኣቦታትናን፥ ኢየሩሳሌምን ህዝብኻን መፃረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኴንና ኢናሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ንቝጥዓኻን ንመዓትካን ካብ ከተማኻ ኢየሩሳሌምን፥ ካብታ ቕድስቲ እምባኻን ክትምልስ እልምነካ ኣለኹ። ኦ ኣምላኽና፥ እምበኣር ናይ ባርያኻ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ፤ ስለ ስምካ ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገፅካ ኣብርሀላ። ኦ ኣምላኽ እዝንኻ ፅን ኣቢልካ ስማዕ፤ ዓይንኻውን ቋሕ ኣብልሞ ምጥፋእናን፥ ስምካ ዝተፀውዐሉ ኸተማን ተመልከት፤ እቲ እነቕርቦ ልመና ስለ ፅድቅና ዘይኮነስ፥ ስለ እቲ ዓብዪ ምሕረትካ እዩ። ኦ ጐይታ፥ ኣድምፀና፤ ኦ ጐይታ፥ ይቕረ በል። ኦ ጐይታ፥ ስማዕ ግበርውን፤ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ተፀዊዑ እዩ እሞ ኦ ኣምላኸይ፥ ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደንጒ።” ኣነውን እናተናገርኩን እናፀለኹን፥ ናይ ባዕለይን ናይ ህዝበይ እስራኤል ሓጢኣትን እናተናዘዝኩ፥ ስለ እቲ ቅዱስ እምባ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ እናለመንኩ እምህለል ነበርኩ። እናፀለኹ እንተለኹ፥ እቲ ቕድም ብራእይ ሪአዮ ዝነበርኩ ሰብ፥ ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ መፂኡ ዳህሰሰኒ። ሽዑ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ነበረ። ንሱ መሃረኒ፤ ተዛረበኒውን፦ “ዳንኤል! ኣነ ሕዚ ጥበብን ምስትውዓልን ክህበካ መፂአ ኣለኹ። ንስኻ የመና ዝተፈተኻ ስለ ዝኾንካ፥ ገና ፀሎት እንትትጅምር፥ ትእዛዝ ተውሂቡ እዩ፤ ኣነውን ክነግረካ መፂአ ኣለኹ። ስለዙይ ነዝ ነገር ኣቕልበሉ፤ ነዝ ራእይ እዙይውን ኣስተውዕሎ። “ንዓመፅ መወዳእታ ኽግበሮ፥ ሓጢኣት ክፍፀም፥ በደል ንምስትስራይ፥ ዘለኣለማዊ ፅድቂ ኽመፅእ፥ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፥ ቅዱሰ ቅዱሳን ድማ ኽቕባእስ፥ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ሰብዓ ሱባዔ ተመዲቡ ኣሎ። እዙይ ፍለጥን ኣስተውዕልንውን፦ ‘እቲ ኢየሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነፅን እያ’ ዝብል ትእዛዝ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ዝኾነ መሲሕ ዝመፅእ፥ ሸውዓተ ሱባዔን ስሳን ክልተን ሱባዔን ክኸውን እዩ። ኢየሩሳሌምውን ብዘመን ጭንቀት፥ ምስ ኣደባባያታን ቅፅርታታን መሊሳ ኽትህነፅ እያ። ድሕሪ ሸውዓተ ሻዕ ስሳን ክልተን ዓመታት መሲሕ ክቕተል እዩ፤ ንባዕሉ ግና ኣይኮነን። ሰራዊት እቲ ዝመፅእ ሓለቓ ድማ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ቤተ መቕደስን ክድምስስ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ድማ ኸም ውሕጅ ክመፅእ እዩ። ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ክኸውን፥ ጥፍኣትውን ተወሲኑ እዩ። እቲ ሓለቓ ንሓደ ሱባዔ፥ ምስ ብዙሓት ፅኑዕ ኪዳን ክኣቱ እዩ። ኣብ ፍርቂ እቲ ሱባዔ ኸዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን፥ ነቲ መስዋእቲ ቝርባንን፥ ከወግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ክመፅእ እዩ። እዙይ ከዓ ኽሳዕ እቲ ምዱብ መፈፀምታ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጥፍኢ ኽፈስስ እዩ።” ቂሮስ ኣብ ፋርስ ምስ ነገሰ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ብልጣሶር ንዝተብሃለ ዳንኤል ራእይ ተርኣዮ። እቲ ነገር ሓቂ እዩ፤ ንሱውን ዓብዪ ውግእ ዝገልፅ ነበረ። ነቲ መልእኽቲ ምእንቲ ኽርዳእ፥ ብራእይ ምስትውዓል ተውሃቦ። በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ። እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ፥ ጥዑም መብልዕ ኣይበላዕኹን፤ ስጋን ወይንንውን ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን፤ ዘይትውን ኣይተቐባእኹን። ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ፥ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ፈለግ ጤግሮስ ነበርኩ። ዓይነይ ቈላሕ ምስ ኣበልኩ ድማ፥ እንሆ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተኣልመ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ኣብ ሕቘኡ ድማ ፅሩይ ወርቂ ዝናር ዝተቐነተ ሰብኣይ ረአኹ። ሰብነቱ ኸም ዘንፀባርቕ ዕንቊ፥ ገፁ ኸም መብረቕ፥ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ፋና፥ ቀላፅሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ነሃስ፥ ድምፂ ቓላቱ ድማ ኸም ድምፂ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ። ነቲ ራእይ ዝረአኽዎ ኣነ በይነይ ዳንኤል እየ፤ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት፥ ነቲ ራእይ ኣይረአይዎን፤ ግና ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ወዲቕዎም ክሕብኡ ሃደሙ። ሽዑ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፤ ነዝ ዓብዪ ራእይ እዙይውን ረአኹ፤ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ሕብሪ ገፀይውን ተለወጠኒ። ድምፂ ቓሉ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ቓሉ ምስ ሰማዕኹ፥ ደንጊፀ ናብ ምድሪ ብግምባረይ ተደፋእኹ። እንሆ ሓደ ኢድ ዳህሰሰኒ፤ ብብርከይን ብኢደይንውን ኣቖመኒ። ንሱውን “ኣታ ዝተፈተኻ ዳንኤል፥ ኣነ ሕዚ ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ፤ ቀጥ ኢልካ ደው በል እሞ፥ ነዝ ዝነግረካ ቓል ኣስተውዕሎ” በለኒ። እዝ ቓል እዙይ ምስ ተዛረበኒ፥ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ። መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ ኣይትፍራሕ፥ ካብታ ምስትውዓል ክትረክብ ኢልካ፥ ርእስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ፀሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፥ ኣነውን ምእንቲ ቓልካ መፂአ እኒሀኹ። እቲ ሓለቓ መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸዓ ሓደ ኻብቶም ዋናታት ኣሕሉቕ፥ ሚካኤል ክሕግዘኒ መፀ። ኣነውን ምስቶም ነገስታት ፋርስ ኣብኡ ሓደግክዎ። እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ። ነዝ ቃላት እዙይ እናተናገረኒ እንተሎ፥ ገፀይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ፤ በሃምውን ኮንኩ። ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ። ኣነስ ዝኾነ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ምትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፥ ኣነ ባርያኻ፥ ምሳኻ ምስ ጐይታይ፥ ከመይ ኢለ ኽዛረብ እኽእል?” በልክዎ። ሽዑ እቲ ሰብ ዝመስል፥ ዳህሰሰኒ፤ ኣበርትዐኒውን። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ። ንሱ ድማ፥ “ስለ ምንታይ ናባኻ ኸም ዝመፃእኹዶ ፈሊጥካ ኣለኻ? ሕዚ ኸዓ ምስ ሓለቓ ፋርስ ክዋጋእ ቀልጢፈ ኽምለስ እየ። ኣነ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ እቲ ሓለቓ ግሪክ ክመፅእ እዩ። ኣቐዲመ ግና፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ሓቂ ዝተፅሓፈ እነግረካ ኣለኹ፤ ነዚኣቶም ንምቅዋም፥ ብዘይ ሚካኤል፥ እቲ ሓለቓኹም፥ ሓደ እኳ ዝረድአኒ የለን።” “ኣነውን ዳርዮስ ሜዶናዊ ምስ ነገሰ በታ ቐዳመይቲ ዓመት፥ ንእኡ ንኽሕግዝን ንኸበርትዖን ቆይመ ነበርኩ። ሕዚ ኸዓ ነቲ ሓቂ ኸፍልጠካ እየ” በለኒ። ሕዚ እውን ሓቁ እገልፀልካ ኣለኹ፦ “እንሆ ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ክትስኡ እዮም። እቲ ደድሕሪኣቶም ዝትስእ ራብዓይ ድማ ኻብ ኵላቶም ዝበለፀ ኽህብትም እዩ። ብሃብቲ ምስ በርትዐ ድማ፥ ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግሪክ ከተስኦም እዩ። “ድሕሪኡ ዓብዪ ግዝኣት ዝገዝእን፥ ኵሉ ዝደለዮ ዝገብርን፥ ብርቱዕ ንጉስ ክትስእ እዩ። ንሱ ብሓይሊ እናገነነ እንተሎውን፥ መንግስቱ ኽስበር እዩ፤ ኣብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽመቃቐል እዩ። መንግስቱ ተወሲዱ ናብ ካልኦት ክሓልፍ እዩ እምበር፥ ናብ ዘርኡ ኣይኸውንን። ግና ኸምቲ ንሱ ኽገዝእ እንተሎ ዝነበሮ ስልጣን ኣይህልዎን እዩ። “እቲ ንጉስ ደቡብ የመና ኽብርትዕ እዩ። ሓደ ኻብ ኣሕሉቑ ኸዓ፥ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ግዝኣቱውን ዓብዪ ግዝኣት ክኸውን እዩ። ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ሓድነት ክፈጥሩ እዮም፤ ጓል እቲ ንጉስ ደቡብ፥ ስምምዕ ንምግባር፥ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመፅእ እያ፤ ግና ሓይሊ ቕልፅማ ኣይፀንዕን፤ ንሱን ቅልፅሙንውን ኣይፀንዕን፤ ንሳን እቶም ዘምፅእዋን፥ እቲ ዝወለዳን፥ እቲ በቲ ጊዜ እቱይ ዝደገፋን፥ ሓሊፎም ክወሃቡ እዮም። ካብ ሱራ ዝወፀ ውልዶ፥ ኣብ ስፍራኡ ኽለዓል እዩ፤ ንሰራዊት ንጉስ ሰሜን ክወግኦም፥ ኣብ ዕርዶም ኣትዩ ድማ ኽስዕሮም እዩ። ንኣማልኽቶም፥ ምስ ናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፥ ምስቲ ኽቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑኦም ማሪኹ፥ ናብ ግብፂ ኽወስዶ እዩ። ንቑሩብ ዓመታት ከዓ፥ ምስ ንጉስ ሰሜን እንተይተዋግአ ኽቕመጥ እዩ። ንሱውን ናብ መንግስቲ ንጉስ ደቡብ ክመፅእ እዩ፤ ግና ናብ ምድሩ ኽምለስ እዩ። “ደቁ ንውግእ ክዳለዉ፥ ብዙሕ ሰራዊትን ህዝብን ክእክቡ እዮም። ሓደ ኻብኣቶም ድማ ቐልጢፉ ኽመፅእ፥ ከም ውሕጅ ውሒጁ ኽሓልፍ ተመሊሱውን ክሳዕ እምባኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ደቡብ ኽቝጣዕ እዩ፤ ወፂኡውን ምስ ንጉስ ሰሜን፥ ክዋጋእ ኢሉውን ብዙሕ ህዝቢ ኸኽትት እዩ። እቶም ህዝቢ ሓሊፎም፥ ኣብ ኢዱ ክወሃቡ እዮም። ነቶም ህዝቢ ክወስዶም እዩ፤ ልቡ ኸዓ ኽዕበ እዩ፤ ኣእላፋትውን ከውድቕ እዩ፤ ግና ኣየሸንፍን። “እቲ ንጉስ ሰሜን ክምለስ፥ ካብቲ ናይ ቅድም ዝበዝሕ ህዝቢ እውን ንውግእ ከኽትት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ድማ፥ ምስ ብዙሕ ሰራዊትን ሃብትን ክመፅእ እዩ። በቲ ዘመን እቱይ፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ብዙሓት ክለዓሉ እዮም። ካብ ማእኸል ህዝብኻ ደቂ ዓመፀኛታት ነቲ ራእይ ከፅንዑ ኽትስኡ እዮም፤ ግና ኽወድቁ እዮም። ንጉስ ሰሜን ክመፅእ እዩ፤ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸዓ ሓመድ ክድልድልን ክሕዛን እዩ፤ እቶም ናይ ደቡብ ሰራዊት ኣይዋግኡን እዮም፤ እቶም ሕሩያቶም እኳ፥ ንምቅዋም ዝኸውን ሓይሊ የብሎምን። እቲ ዝመፀ ግና ኸም ዝደለዮ ኽገብር እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውምውን የለን። ንሱ ኣብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽቐውም እዩ። ብኢዱውን ብዙሕ ጥፍኣት ክኸውን እዩ። “ምስ ኵሉ ሓይሊ መንግስቱ ገፁ ኸፅንዕ ክመፅእ እዩ። ምስኡውን ሓድነት ክገብር እዩ፤ ምእንቲ ኸርክሳ ጓል ኣንስተይቲ ኽህቦ እዩ። ንሳውን ኣይትፀንዕን፤ ንእኡውን ኣይትኸውንን እያ። ድሕሪዙይ ናብተን ደሴታት ገፁ ኽመልስ እዩ፤ ንብዙሓት ከዓ ኽሕዘን እዩ። ሓደ ሓለቓ ግና ነቲ ፀርፉ ኸወግዶ እዩ፤ ናብ ባዕሉውን ክመልሰሉ እዩ። ናብ እምባታት ሃገሩውን ገፁ ኽመልስ እዩ፤ ግና ተሰናኺሉ ኽወድቕ እዩ፤ መሊሱውን ኣይርከብን እዩ። “እቲ ብእኡ ዝትካእ፥ ክብሪ መንግስቱ ንምሕላው፥ ግብሪ ዘገብሩ ኽልእኽ እዩ፤ ይኹን እምበር ብቝጥዓ ወይ ብውግእ እንተይኮነ፥ ኣብ ውሽጢ ቑሩብ መዓልቲታት ክጠፍእ እዩ።” “ንእኡ ተኪኡ፥ ሓደ ዝተንዓቐ ኽብሪ መንግስቲ ዘይተውሃቦ ሰብ፥ ክለዓል እዩ፤ ቀስ ኢሉ ኽመፅእ፥ እናቀባጠረ ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ እዩ። እቲ ዝውሕዝ ሰራዊትውን ካብ ቅድሚኡ ኽውሰድ እዩ፤ ንሱን ሓለቓ ቃል ኪዳኑን፥ ክስበሩ እዮም። ምስኡ ስምምዕ ምስ ገበረ፥ ብተንኰል ስራሑ ኽሰርሕ እዩ። ምስ ውሑዳት ሰባት ወፂኡ ድማ እናበርትዐ ክኸይድ እዩ። ቀስ ኢሉ ድማ፥ ናብተን ልምሉማት ክፍልታት እታ ሃገር ክኣቱ እዩ፤ ኣቦታቱን ኣቦ ሓጐታቱን እኳ፥ ከቶ ዘይገበርዎ ኽገብር እዩ። ነቲ ዅሉ ኣብ ውግእ ዝማረኾን ዝዘመቶን ሃብቲ ኸዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ክብትኖ እዩ፤ ነተን ፅኑዓት ከተማታት ክዋግአን መደብ ከውፅእ እዩ። እዙይውን ንቑሩብ ጊዜ እዩ። “ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ፥ ብዓብዪ ሓይልን ትብዓትን ክለዓል እዩ። ንጉስ ደቡብ ከዓ፥ ዓቢይን ብርቱዕን ሰራዊት ኣኽቲቱ ኽዋግኦ እዩ። ግና ኻብቲ ዝተፍሓሰሉ ሻራ ዝተልዓለ ኽቐውም ኣይኽእልን እዩ። እቶም ኣብ ማእዱ ዝበልዑ ዝነበሩ፥ ከጥፍእዎ ኸሻርዉ እዮም፤ ካብ ሰራዊቱ ኽውሕጅ እዩ፤ ብዙሓትውን ተወጊኦም ክወድቁ እዮም። ክልቲኦም ነገስታት በብልቦም ክፉእ ክሓስቡ፥ ኣብ ሓንቲ ማእዲ ሓቢሮም ክቕመጡ እዮም፤ ንስንሳቶም ድማ ሓሰት ክዛረቡ እዮም። ግና እቲ ዝተመደበ ጊዜ ስለ ዘይበፅሐ፥ ኣይሰምረሎምን እዩ። ንጉስ ሰሜን፥ ምስ ብዙሕ ገንዘብ ናብ ምድሩ ኽምለስ እዩ። ልቡውን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ክኸውን እዩ፤ ዝደለዮ ኽገብር እዩ፤ ናብ ምድሩ ኸዓ ኽምለስ እዩ። “በታ ምድብቲ ጊዜ ተመሊሱ ናብ ደቡብ ክመፅእ እዩ፤ ግና በዝ ጊዜ እዙይ እቲ ዳሕረዋይ ከምቲ ቐዳማይ ኣይኸውንን እዩ። “ሽዑ ቝጥዓኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ከውርድ እዩ። ነቶም ነቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ዝሓደጉ ድማ ኽሰምዖም እዩ። እቶም ሰራዊት ምስኡ ኽቖሙ እዮም፤ መቕደስን ቅፅሩን ድማ ኸርክሱ እዮም፤ ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እውን ከውግዱ እዮም፤ ነቲ ጥፍኣት ዘምፅእ፥ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ከቑሙ እዮም። እቶም ነታ ኺዳን ዝጠለሙ፥ እናታለለ ኸስሕቶም እዩ፤ እቶም ንኣምላኾም ዝፈልጡ ህዝቢ ግና፥ ክብርትዑን ከስልጡን እዮም። እቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ዘለዉ ጥበበኛታት፥ ዝኾኑ ሰባት ንብዙሓት ክምህሩ እዮም። ግና ንቑሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታ ሓዊን ብምርኮን ብዘመተን ክወድቑ እዮም። ክወድቑ እንተለዉ ውሑድ ሓገዝ ክረኽቡ እዮም፤ ግና ብዙሓት ብግብዝና ኽተሓባበርዎም እዮም። ክሳዕ ፍፃመ ዘመን፥ ምእንቲ ዝፀረዩን ዝነፀሩን ኣበር ዘይብሎምን ክኾኑ፥ ካብቶም ጠቢባን ሓድሓደ ኽወድቑ እዮም፤ እቲ ውሱን ጊዜ ገና ኣይበፅሐን እዩ። ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኽብሪ ኣይህብን፤ ነቲ ኣንስቲ ዝደልያኦ ኣይግደሰሉን። ንባዕሉ ልዕሊ ዅሉ ገይሩ ስለ ዝሓስብ፥ ኣምላኽ ንዝኾነ ዅሉ ኣየኽብርን። ክንድኡ ንኣምላኽ እምባታት ከኽብር እዩ፤ ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብክቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቑሑን ከኽብሮ እዩ። ብባዕዲ ኣምላኽ ተሓጊዙ፥ ነተን ፅኑዓት እምባታት ከምዙይ ክገብረን እዩ፤ ነቶም ንእኡ ዝግዝኡሉ፥ ክብሪ ኸብዝሐሎም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ብዙሓትውን ከግዝኦም እዩ። ከም ዓስቢ ኸዓ፥ ነታ ምድሪ ክኸፋፍላ እዩ። “ኣብ መወዳእታ ዘመን፥ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ሰሜን ድማ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን፥ ከም ንፋስ ኣውሎ ኾይኑ ኽመፆ እዩ፤ ናብተን ሃገራት ድማ ኽኣቱን ክውሕጅን ክሓልፍን እዩ። ናብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽኣቱ እዩ። ብዙሓት ሃገራት ድማ ኽወድቃ እየን፤ ግና ኤዶምያስን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ኣሞንን፥ ካብ ኢዱ ኸምልጡ እዮም። ኣብ ልዕሊ ሃገራት ድማ ኢዱ ኽዝርግሕ እዩ። ሃገር ግብፂውን ኣይተምልጥን እያ። ንሱ ኣብቲ መዛግብቲ ወርቅን ብሩርን ክቡር ኣቕሓ ግብፅን ክስልጥን እዩ። ሊብያን ኢትዮጵያን ከዓ ኽስዕብዎ እዮም። ግና ኻብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዝመፅእ ወረ ኸሸብሮ እዩ እሞ፥ ንብዙሓት ከጥፍእን ከፅንትን፥ ብዓብዪ ቝጥዓ ኽወፅእ እዩ። ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እቲ ዝኸበረ ቅዱስ እምባን፥ ድንኳን ቤተ መንግስቱ ኽተክል እዩ። ግና ናብ ፍፃሜኡ ኽበፅሕ እዩ፤ ዝሕግዞውን የብሉን።” ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም። እቶም ጠቢባን፥ ከም ናይ ሰማይ ፀዳል ክበርሁ እዮም፤ እቶም ንብዙሓት ናብ ፅድቂ ዝመርሑውን፥ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ክበርሁ እዮም። ኣነ ዳንኤል ከዓ ጠመትኩ፤ እንሆውን፥ ክልተ ኻልኦት ሰባት፥ እቲ ሓደ ኣብ ነዘው ገምገም ሩባ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ንየው ገምገም ሩባ ደው ኢሎም ነበሩ። ሓደ ኻብኣቶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ ሩባ ንዝነበረ፥ ልሕፂ እንጣጢዕ ንዝተኸደነ ሰብ “እዝ ዘደንቕ ነገር መወዳእታኡ መኣዝ ክኸውን እዩ?” በሎ። ሰማዕኹ ድማ፥ ግና ስለ ዘየስተውዓልኩ “ጐይታይ፥ ናይዝ ኵሉ መወዳእታ እንታይ እዩ?” በልኩ። ንሱውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ዕፅውን ሕቱምን እዩሞ ኺድ። ብዙሓት ሰባት ሰብነቶም ከፅርዩን ከፃዕድውን ክነፅሩን፥ ኣበር ዘይብሎምውን ክኾኑ እዮም። እቶም ክፉኣት ግና፥ ብኽፍኣቶም ክፀንዑ እዮም። ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕልዎ፥ እቶም ለባማት ጥራሕ እዮም እምበር፥ እቶም ክፉኣት ኣየስተውዕልዎን እዮም። እተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ኽሳዕ ዝሓልፋ፥ ዕጉስ ኮይኑ ዝፀንሕ ሰብ ምስጉን እዩ። “ንስኻ ግና ኽሳዕ መወዳእታ መንገድኻ ኺድ፤ ንስኻውን ክትዓርፍ ኢኻ፤ ግና ኣብ መወዳእታ ዘመን ኣብ ዕፃ ኽፍልኻ ኽትቐውም ኢኻ።” እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ። ሆሴዕ ከዓ ኸይዱ ንጎሜር ጓል ዴቤላይም ኣእተወ። ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደትሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ክሰባብሮ እየ” በሎ። ጎሜር ከዓ መሊሳ ጠነሰት፤ ጓልውን ወለደት። እግዚኣብሄር ከዓ “ደጊም ንቤት እስራኤል ኣይምሕሮምን እየ እሞ ‘ሎሩሃማ’ ንቤት ይሁዳ ግና ኽምሕሮም እየ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፥ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትን ኣይኮነን በሎ። ጎሜር ንሎሩሃማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። እግዚኣብሄር ድማ ንሆሴዕ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን፤ ኣነውን ኣምላኽኩም ኣይኮነኩምን እሞ፥ ‘ሎዓሚ’ ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን ስለዙይ ነሕዋትኩም “ዓሚ” ነኣሓትኩም ድማ “ሩሃማ” ኢልኩም ፀውዕዎም። ደቀይ፥ ድሕሪ ሕዚ እኖኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን፤ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፥ ተማጐቱ፤ ምስ እኖኹም ተሟጐቱ፤ ምንዝርናኣ ኻብ ገፃ፥ ዝሙታ ኸዓ ኻብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ። እንተ ዘይኮነ ቀሚሻ ቀንጢጠ ኸምታ ዝተወለደትላ መዓልቲ ጥራሓ ኽገብራ እየ፤ ከም ምድረ በዳን፥ ከም ንቑፅ ምድርን ክገብራ፥ ብፅምኢ ማይ ድማ ኽቐትላ እየ። ንደቃ ድማ ደቂ ምንዝርናኣ እዮም እሞ፥ ኣይምሕሮምን እየ። እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም። ስለዙይ፥ እንሆ፥ ንመንገድኺ ብእሾዅ ኽሓፅሮ እየ፤ መንገድታት ከይትረክብ ከዓ ንዙርያኣ ብመንደቕ ክሓፅሮ እየ። ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ እያ፥ ግና ኣይተርክቦምን፤ ክትደልዮም እያ፥ ግና ኣይትረኽቦምን። ሽዑ ንሳ “ካብ ሎሚ ቕድም ይሕሸኒ ነይሩ እዩሞ፥ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ” ኽትብል እያ። ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን። ስለዙይ እኽለይ ብጊዜኡ፥ ወይነይ ከዓ ብወርሓቱ፥ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትሽፍነሉ ፀምረይን ሃረይን ድማ ኽቕንጥጣ እየ። ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ፈተውታ፥ ሓፍረታ ኽቐልዓ እየ፤ ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ድማ፥ ሓደ እኳ የለን። ንዅሉ ሓጐሳን በዓላታን፥ ንዅሉ ሰርቀ ወርሓን ሰናብታን፥ ዝተቀደሱ ኣኼባታታን፥ ከትርፍ እየ። ንሳ ነቲ “ፈተውተይ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዙይ እዩ” ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከባድሞ፥ ዱር ከዓ ኽገብሮ እየ፤ ኣራዊት በረኻውን ክበልዕዎ እዮም። ብምኽንያት እተን በዓል ንዝተብሃሉ ጣዖታት ዕጣን ዝዓጠነትለን መዓልቲታት ክቐፅዓ እየ፤ ንኣይ ረሲዓ ብቐለቤታን ብሽልማታን ኣጋይፃ፥ ደድሕሪ ፈተውታ እናሰዓበት፥ ንኣይ ግና ረሲዓትኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣነ ኽሓባብላ ናብ ምድረ በዳውን ከምፅኣ እየ፤ ንልባ ድማ ኽዛረባ እየ። ብድሕሪኡ ኣታኽልቲ ወይና ኽህባ እየ፤ ንለሰ ኣኮርውን ናይ ተስፋ በሪ ክኾና ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ጊዜ ህፃንነታ፥ ከምቲ በታ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፀትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ “ሰብኣየይ” ኢልኪ ኽትፅውዕኒ ኢኺ፤ ካብ ደጊም ግና “በዓለይ” ኣነ ድማ ስም በዓሊም ካብ ኣፋ ኸወግድ እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ብስሞም ኣይዝከሩን እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ምስ ኣራዊት በረኻን፥ ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታትን፥ ቃል ኪዳን ክኣትወሎም እየ። ኵሎም ብሰላም ምእንቲ ኽነብሩውን፥ ቀስትን ሰይፍን ኲናትን ካብ ምድሪ ኸወግድ እየ። ብፅድቅን ብፍርድን ብምሕረትን ብርህራሀን ክሓፅየኪ እየ። ንስኺውን ንእግዚኣብሄር፥ ክትፈልጢ ኢኺ። ሰማይውን ንምድሪ ኽምልሰላ እዩ። እዚኣቶም ድማ ንኢይዝራኤል ክምልሱሉ እዮም። ንሱውን “ኣምላኸይ ኢኻ” ኽብለኒ እዩ። እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “መሊስካ ኺድ እሞ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን፥ ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮም፥ ንስኻውን ንሓንቲ ብኻልእ ሰብኣይ ዝተፈትወት ሰበይቲ ፍቶ” በለኒ። ኣነ ኸዓ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩርን፥ ብዅንታልን ፈረቓን ስገም ዓደግክዋ። “ብዙሕ መዓልቲታት ምሳይ ተቐመጢ፤ ኣይተመንዝሪ፤ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፤ ኣነውን ከምኡ ክኾነልኪ እየ” በልክዋ። ከምኡ ኸዓ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፉድን ተራፊምን፥ ብዙሕ መዓልቲታት ክቕመጡ እዮም። ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ። ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህዝብኻ ምስ ካህን ከም ዝከራኸር እዩሞ፥ ሓደኳ ኣይከራኸር፤ ሓደኳ ኣይግናሕ። ብመዓልቲ ሰንከልከል ትብሉ ኣለኹም፤ እቶም ነቢያትውን ምሳኻትኩም ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ። ኣነውን ንኖኹም ከጥፍኣ እየ። ህዝበይ ፍልጠት ካብ ምስኣኑ ዝተልዓለ ይጠፍእ ኣሎ። ንስኻትኩም ፍልጠት ስለዝነዓቕኩም ኣነውን ካህናት ከይትኾኑኒ ነዓቕኩኹም። ሕጊ ኣምላኽኩም ስለዝረሳዕኹም፥ ኣነውን ንደቅኹም ክርስዖም እየ። “ብዝበዝሑ መጠን ኣብ ልዕለይ ዝገብርዎ ሓጢኣት በዚሑ ኣሎ። ኣነ ድማ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ እየ። ሓጢኣት ንህዝበይ ምግቢ ኾይንዎም ኣሎ፤ ልቦም ድማ ናብ በደል የድህብ ኣሎ። እቶም ካህናትውን ካብቶም ህዝቢ ዝተፈለዩ ኣይኮኑን። ንዅሎምውን ከም መጠን ኣካይዳኦም ክቐፅዖም እየ። ከም ስራሓቶምውን ክኸፍሎም እየ። ንእግዚኣብሄር ምኽታል ሓዲጎም እዮም እሞ፥ ይበልዑ ግና ኣይፀግቡን፤ የመንዝሩ ግና ኣይበዝሑን እዮም። “ምንዝርናን ብወይኒ ምስካርን ኣእምሮ የጥፍእ እዩ። ንህዝበይ መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፥ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም ኣመንዚሮም እዮም እሞ፥ ህዝበይ ነቲ ዕንፀይቲ ይጥይቑ፤ በትሮምውን ይምልሰሎም። ኣብ ርእሲ እምባታት ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ኾረብታታት፥ ኣብ ትሕቲ ፅቡቕ ፅላል ዘለዎ ኣውሕን ስየን ፅሕድን፥ ዕጣን ይዓጥኑ። ስለዙይውን ኣዋልድኩም ይምንዝራ፤ መራዑትኩም ድማ ይዝምዋ። ኣወዳትኩምውን ምስተን ኣብ ቤተ ጣዖት ዘለዋ ኣመንዝራታት ይምንዝሩ፤ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲ ድማ ይስውኡ ኣለዉሞ፥ ኣዋልድኩም እንተመንዘራ፥ መራዑኹምውን እንተ ዘመዋ፥ ኣነ ኣይቀፅዐንን እየ። ዘየስተውዕል ህዝቢ ኽጠፍእ እዩ። “ኣታ እስራኤል ንስኻ እንተመንዘርካ ይሁዳ ኣይበድል፤ ንስኻትኩምውን ናብ ጌልገላ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤት ኣዌንውን ኣይትደይቡ፤ ‘ህያው እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ከዓ ኣይትምሓሉ። እስራኤል ከም ሕንጊድ ዓርሒ ሓንጊዱ እዩ እሞ፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ኣብ ገፊሕ ቦታ ኸም ጡቦትዶ ኸዋፍሮ እዩ? ኤፍሬም ምስ ጣዖታት ሓቢሩ እዩ እሞ ሕደግዎ። ስኽራኖም ይገድድ ኣሎ፤ ምንዝርናውን የብዝሑ ኣለዉ፤ ኣሕሉቓ የመና ነውሪ ፈተዉ። ንፋስ ብኣኽናፋ ኣሲርዋ፤ ንሳቶምውን ካብ መስዋእቶም ዝተልዓለ ኽሓፍሩ እዮም። “ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ። ዓመፀኛታት ሕሩድ ኣብዚሖም፤ ኣነ ግና ንዅላቶም ክቐፅዖም እየ። ኣታ ኤፍራታ ንስኻ ሕዚ መንዚርካ፤ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩሞ፥ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፤ እስራኤልውን ካባይ ኣይተሰወረን።” መንፈስ ኣመንዝራነት ኣብ ውሽጦም ኣሎሞ፥ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፥ እቲ ስራሖም ናብ ኣምላኾም ንኽምለሱ ኣይፈቕደሎምን። ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኣቶም ይምስክር፤ እስራኤልን ኤፍሬምን ከዓ ብሓጢኣቶም ይሰናኸሉ፤ ይሁዳውን ምስኣቶም ክሰናኸል እዩ። ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ክደልይዎ ይኸዱ፤ ግና ንሱ ካብኣቶም ርሒቑ እዩ እሞ፥ ኣይረኽብዎን። ድቓላታት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ፤ ሕዚ ድማ ሓደ ወርሒ ንኣኣቶምን ንርስቶምን ክበልዖም እዩ። ኣብ ጊብዓ ቀርኒ፥ ኣብ ራማ ኸዓ መለኸት ንፍሑሞ፤ ካብ ቤትኣዌን “ኣታ ብንያም፥ ብድሕሬኻ” ኢልኩም ኣእውዩ። ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ኤፍሬም ክባድም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ነገድ እስራኤል፥ እቲ ብርግፅ ዝኸውን ነገር ኣፍለጥኩ። “ኣሕሉቕ ይሁዳ፥ ከምቶም ወሰን ዝደፍኡ ሰባት እዮም እሞ፥ ኣነውን ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ማይ ከፍስስ እየ። ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ሰብ ምኻድ ስለዝፈተወ፥ ዝተገፍዐን ብፍርድውን ዝተጎድአን ኮነ። ስለዙይ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ቍንቁነ ኾይነ ኣለኹ። “ኤፍሬም ሕማሙ፥ ይሁዳውን ቍስሉ ምስ ረአየ፥ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፤ ናብ ንጉስ ኢያሪምውን ልኡኽ ለኣኸ፤ ግና ንሱ ኸድሕነኩም፥ ቍስልኹምውን ክፍውስ ኣይከኣለን። ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ ሰባቢረ ክኸይድ እየ፤ መንዚዐውን ክወስድ እየ፤ ዘድሕን ድማ የለን። “በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።” “ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ኸሕውየና፥ ብሳልሳይ መዓልቲ ድማ ኸተስአና እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና። ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰናይኩም ከም ግመ ንግሆ፥ ከም ዝጠፍእ ኣውሊ እዩሞ፥ ኦ ኤፍሬም፥ እንታይ ክገብረካ? ኦ ይሁዳ፥ እንታይ ክገብረካ? ስለዙይ ብኢድ ነቢያተይ ቈራረፅኩዎም፤ ብቓል ኣፈይውን ቀተልኩዎም፤ ፍርደይ ከዓ ኸም ብርሃን ይወፅእ። ካብ መስዋእቲ ምሕረት፥ ካብ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ እፈቱ እየ። “ንሳቶም ግና ኸም ኣዳም ቃል ኪዳን ኣፍረሱ፤ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ጠለሙኒ። ገለዓድ ብደም ዝጠልቀየት፥ ከተማ ኽፉኣት ሰባት እያ፤ ብደምውን ዝተቐብአት እያ። ከምቲ ንሰብ ከጥቅዑ ዘድብዩ ኸተርቲ፥ እቶም ካህናትውን ኣብ መንገዲ ሴኬም ይቐትሉ፤ ዘሕፍር ዓመፅውን ይፍፅሙ። ኣብ ቤት እስራኤል ዘስካሕክሕ ነገር ረአኹ፦ ኣብኡ ናይ ኤፍሬም ምንዝርና ኣሎ፤ እስራኤልውን ረኸሰ።” “ኦ ይሁዳ ናይ ህዝበይ ምርኮ ብዝምለሰሉ ጊዜ ንኣኻውን ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።” ሓሰት ኣዘውቲሮም እዮም እሞ፥ ሰራቒ ይኣቱ፤ ኣብ ወፃኢ ድማ ሸፋቱ ይኸትሩ ኣለዉ እሞ፥ ንእስራኤል ክፍውሶ ምስ ደለኹ፥ ሓጢኣት ኤፍሬምን፥ ክፍኣት ሰማርያን ተቐልዐ። ኣነ ንዅሉ ኽፍኣቶም ከም ዝዝክሮ ንሳቶም፥ ብልቦም ኣይሓስቡን እዮም። ግና ሓጢኣቶም ከቢብዎም፥ ኵልሻዕ ድማ ኣብ ቅድመይ እዩ። “ንንጉስ ብኽፍኣቶም፥ ንመሳፍንቱውን ብሓሰቶም የሐጕስዎም ኣለዉ። ኵላቶም ኣመንዝራታት እዮም፤ ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶንውን እዮም። ሰንካቲ፥ እቲ ዅሉ ዝለወሶ ብሑቝ ክሳዕ ዝበኵዕ፥ ነቲ ሓዊ እቶን ኣይቝስቍሶን እዩ። ብመዓልቲ በዓል ንጉስና፥ እቶም መሳፍንቲ ብወይኒ ረሲኖም ሓመሙ፤ ንሱውን ምስቶም መላገፅቲ ኢዱ ዘርግሐ። ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣርሰንዎ፤ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፤ ቍጥዓኦም ምሉእ ለይቲ ይትኪ። ከም ዝነድድ ሓዊውን ንግሆ ሃልሃል ይብል።” “ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፤ ንፈረድቶምውን ይውሕጥዎም፤ ኵሎም ነገስታቶም ድማ ወደቑ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ናባይ ዘእዊ የለን።” ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ተፀመረ፤ ኤፍሬምውን ከም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ። ኣጋይሽ ጕልበቱ በዝበዝዎ፥ ንሱውን ኣይፈለጠን፤ ፀጕሩ ሲበት ኣውፅአ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን። ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ መስከረሉ። እዝ ዅሉ ኾይኑ ድማ፥ ከምልኹ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይተመለሱን፤ በዝ ዅሉውን ኣይደለይዎን። ኤፍሬም ልቢ ኸም ዘይብላ የዋህ ርግቢ እዩ፤ ንግብፂ ይፅውዑ፤ ናብ ኣሶር ድማ ይኸዱ። ክኸዱ እንተለዉ መርበበይ ክዝርግሐሎም፥ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ መከራኦም እናሰምዑ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ። “ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፥ ወይለኦም! ካባይ ዓሚፆም እዮም እሞ፥ ጥፍኣት ይምፅኣዮም። ከናግፎም ደለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ብሓሰት ይናገሩ። ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ ነበሩ እምበር፥ ብልቦም ናባይ ኣየእወዩን፤ ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፤ ኣብ ልዕለይ ግና ዓመፁ። ኣነ ኣሰልጠንክዎምን ኣበርታዕኽዎምን፤ ንሳቶም ግና ኣባይ ክፉእ መኸሩ። ናብ ከንቱ ነገር ተመለሱ፤ ግና ናብ ልዑል እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዕላማኡ ኸም ዝስሕት ጠዋይ ቀስቲ ኾኑ። መሳፍንቶም ካብ ቍጥዓ መልሓሶም ዝተልዓለ፥ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዙይ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብፂ መሳለቒ ክኾኖም እዩ።” መለኸት ናብ ኣፍካ ኣቕርብ፤ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፥ ሕገይ ከዓ ጥሒሶም እዮምሞ፥ ከም ንስሪ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ። ንሳቶም፥ ኦ ኣምላኽና፥ ንሕና እስራኤል ፈሊጥናካ ኢና፥ እናበሉ ናባይ ከእውዩ እዮም። ግና ዅሎም እስራኤል ፅቡቕ ዝኾነ ነገር ኣወገዱ፤ ፀላኢ እውን ክሰጕጎም እዩ። “ንባዕላቶም ነገስታት ኣንገሱ፤ ንኣይ እንተይጠየቑ ኣሕሉቕ መረፁ፤ ኣነ ኣይፈለጥኩን፤ መጥፍኢኦም ዝኸውን ብብሩሮምን ብወርቆምን፥ ንባዕላቶም ጣዖታት ሰርሑ። “ኦ ሰማርያ ምራኽ ጣዖትኪ ደርብዪ፤ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ነዲዱ እዩ፤ ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘይነፅሁ? እዙይ ከዓ ኻብ እስራኤል እዩ፤ እዝ በዓል ኢድ ዝሰርሖ ምስሊ ምራኽ፥ ኣምላኽ ኣይኮነን፤ ተሰባቢሩ ኽደቅቕ እዩ። ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን፤ ኣብ ፍረኡ ድማ ሕሩጭ ኣይርከብን፤ እንተ ተረኽበውን ጓኖት ይበልዕዎ። እስራኤል ተውሓጠ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ከም ዝረኸሰ ኣቕሓ ኾነ። ከምቲ ንበይኑ ዝነብር ኣድጊ በረኻ፥ ናብ ኣሶር ከዱ፤ ኤፍሬም ብውህብቶ ፈተውቲ ገበረ። ምንም እኳ ንኣህዛብ ውህብቶ እንተ ሃቡ፥ ኣነ ሐዚ ኽእክቦም እየ፤ ካብ ፆር እቲ ንጉስን መሳፍንትን ዝተልዓለ እናደኸሙ ክኸዱ እዮም። “ኤፍሬም ሓጢኣት ንምስራሕ ኢሉ ብዙሕ መሰውኢታት እንተ ሰርሐ እኳ፥ እቲ መሰውኢታት ንሓጢኣት ኮኖ። ነዝ ሕገይ ፀሓፍኩሎም፤ ንሳቶም ግና ኸም ባዕዲ ነገር ቈፀርዎ። መስዋእተይ የቕርቡ፤ ስጋ ኸዓ ይሓርዱ፤ ይበልዑውን፤ እግዚኣብሄር ግና ኣይቕበሎምን፤ ንበደሎም ክዝክሮ፥ ንሓጢኣቶም ድማ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሳቶምውን ናብ ግብፂ ኽምለሱ እዮም። “እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዐ፤ መስገዲታትውን ሰርሐ። ይሁዳ ኸዓ ዕሩዳት ከተማታት ኣብዝሐ፤ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻቶም ድማ ኽበልዖ እዩ።” ኦ እስራኤል፥ ካብ ኣምላኽካ ተፈሊኻ ኣመንዚርካ፥ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻሞ፥ ከም ኣህዛብ ደስ ኣይበልካ፤ ኣይትተሓጐስውን። ዓውድን መፅመቚ ወይንን ኣይቕልቦምን፤ ኰልዒ ወይኒ እውን ክጐድል እዩ። ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም። ንእግዚኣብሄር ቍርባን ወይኒ ኣየፍሰሱን፤ መስዋእቶምውን ኣየሐጕሶን። ንኣኣቶም እንጀራ ሓዘን ክኾኖም እዩ። ካብኡ ዝበልዕውን ክረክስ እዩ። እንጀራኣቶምውን ንርእሶም ደኣ ይኾን እምበር ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን። ብመዓልቲ ዓብዪ በዓልን፥ ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄርን፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? እንሆ፥ ካብ ጥፍኣት ሃዲሞም ከዱ፤ ግብፂ ድማ ኽትእክቦም እያ፤ ሜምፎስውን ክትቀብሮም እያ። ነቲ ኽቡር ብሩሮም ኣምዐ ይወርሶ፤ ኣሜከላውን ኣብ ውሽጢ ድንኳናቶም ይበቍል። ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ኮይኑ ሓላዊ ነበረ፤ ሕዚ ግና ነቲ ነቢይ ኣብ ኵሉ መንገዱ መፈንጠር ኣዕዋፍ ኮነ፤ ኣብ ቤት ኣምላኹውን ፅልኢ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ዘመን ጊብዓ ዝነበረ የመና ረኸሱ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍኣቶም ክዝክር እዩ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ክብቀሎም እዩ። ክብሪ ኤፍሬም፥ ከም ዒፍ ነፊሩ ኽጠፍእ እዩ፤ ደጊም ምውላድ ምጥናስ ድቂ ምሓዝ ኣይኾነሎምን። ውሉድ ወሊዶም እንተ ኣዕበዩኳ፥ ሓደ ሰብ ከይተርፈሎም ውሉድ ኣልቦ ኽገብሮም እየ። ካብኣቶም ምስ ረሓቕኩ ወይለኦም! ኣነ ኸም ዝረአኽዎ፥ ደቂ ኤፍሬም ንምርኮ ተውሂቦም እዮም። ኤፍሬምውን ንደቁ ናብ ቀተልቲ ኸውፅእ እዩ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ሃቦም፤ እንታይ ክትህቦም ኢኻ? ዘይወልድ ማህፀንን ንፁፍ ጡብን ሃቦም። ኣብ ጌልገላ ኻብ ዝገበርዎ ኽፍኣት ዝተልዓለ፥ ኣነ ኣብኡ ፀላእኹዎም። ስለ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣትውን፥ ካብ ቤተይ ከሳጕጎም እየ። ድሕሪ ደጊም ኣየፍቅሮምን እየ፤ ኵሎም ኣሕሉቖም ዓመፀኛታት እዮም። ኤፍሬም ተወቕዐ፤ ሱሩውን ነቐፀ፤ ፍረ ድማ ኣየፍርን። እንተ ወለዱውን፥ ነቶም ፍረ ኸርሶም ክቐትሎም እየ። ስለ ዘይሰምዕዎ ኣምላኸይ ክድርብዮም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ኰብለልቲ ክኾኑ እዮም። እስራኤል ብዙሕ ዝሰፍሐን ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ወይንን እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍረኡ፥ ብዙሕ መሰውኢታት ኣብዝሐ፤ ከም መጠን ምፅባቕ ምድሩውን፥ እናመልክዑ ሓወልትታት ሰርሑ። ልባቶም ተመቐለ፤ ሕዚ እውን በደሎም ክስከሙ እዮም። ንሱ ንመሰውኢታቶም ከፈራርሶ ንሓወልትታቶምውን ክሰባብሮ እዩ። ሽዑ ንሳቶም “ንእግዚኣብሄር ኣይፈራሕናን እሞ፥ ንጉስ የብልናን። ንጉስ እንተ ነበረናኸ እንታይ ክገብረልና እዩ?” ይብሉ። ከንቱ ዘረባ ይዛረቡ፤ ዘይፍፀም ኪዳን ክኣትዉ ኸዓ፥ ብሓሰት ይምሕሉ። ስለዙይ መርዛም ሳዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝበቍል መቕሰፍቲ ኽበቝሎም እዩ። እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም። እቲ ጣዖት፥ ነቲ ዓብዪ ንጉስ ኢያሪም ውህብቶ ክወሃብ፥ ናብ ኣሶር ክውሰድ እዩ። ኤፍሬም ሕፍረት ክሕዞ እዩ፤ እስራኤልውን ብምኽሩ ክሓፍር እዩ። ሰማርያ ምስ ንጉሳ፥ ኣብ ልዕሊ ማይ ከም ዘሎ ዓፍራ ኽትጠፍእ እያ። እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም። ብዝደለኽዎ ጊዜ ኽቐፅዖም እየ፤ ስለ ኽልቲኣቶም ሓጢኣታ ምስ ተኣሰሩ፥ ኣህዛብ ክኸብዎም እዮም። ኤፍሬም መኼዳ ኸም ዝለመደት ዓርሒ እዩ፤ ኣነ ግና በቲ ፅቡቕ ክሳዱ ሓለፍኩ። ንኤፍሬም ክፀምዶ እየ፤ ይሁዳ ኽሓርስ፥ ያእቆብውን ነቲ መሬት ከለሳልስ እዩ። እግዚኣብሄር መፂኡ፥ “ፅድቂ ኽሳዕ ዘዝንመልኩም፥ ንኡኡ እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ብፅድቂ ዝርኡ፤ ከም መጠን ምሕረቱ ድማ ዕፀዱ፤ ሓድሽ ፅግኢውን ሕረሱ” በልኩ። ክፍኣት ሓረስኩም፤ ሓጢኣትውን ዓፀድኩም፤ ፍረ ሓሶት ድማ በላዕኹም፤ ብብዝሒ ሰራዊትካ ብመንገድኻውን ተኣማሚንካ ኢኻሞ። ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሽብር ክለዓል እዩ፤ እኖ ምስ ደቃ ምስ ተጨፍለቐት ሰልማን ንቤት ኣርብኤል ብመዓልቲ ውግእ ዘፍረሰ፥ ኵሎም እምባታትካ ክፈርሱ እዮም። ካብ ብዝሒ ሓጢኣትኩም ዝተልዓለ ቤቴል ከምኡ ኽገብረኩም እዩ፤ ምስ ወግሐ፥ ንጉስ እስራኤል ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ። ንወደይውን ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ። ንዝተቐረፁ ምስልታት ከዓ ዓጠኑ። ግና ዝፈወስክዎም ኣነ ኸም ዝኾንኩ ንሳቶም ኣየስተውዓሉን። ዝብላዕውን ኣቕረብኩሎም።” “ናባይ ክምለሱ ግና ኣይፈተዉን እሞ፥ ናብ ምድሪ ግብፂ ኽምለሱ እዮም፤ ኣሶርውን ንጉሶም ክኸውን እዩ፤ ስለ እቲ ዝተማኸርዎ ምኽሪ ኸዓ፥ ኣብ ከተማታቶም ሰይፊ ኽምዘዝ፥ ንዓበይቶምውን ከጥፍእ እዩ። ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።” ኵሉ ምሕረተይውን ተለዓዒሉ እዩ። ብመዓትውን ኣይመፅእን። ንሱ ይጓዝም፥ እቶም ደቂ ኸዓ እናንቀጥቀጡ፥ ካብ ምዕራብ ይመፁ እሞ፥ ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ። ካብ ግብፂ ኸም ዒፍ፥ ካብ ምድሪ ኣሶር ድማ፥ ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ኽመፁ እዮም፤ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኤፍሬም ብሓሰት፥ ቤት እስራኤል ድማ ብተንኰል ከበበኒ፤ ይሁዳ ኸዓ ምስቲ እሙን ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣይፀንዕን። ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፤ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ይስዕብ። ኵሉ መዓልቲ ሓሰትን ዓመፅን የብዝሕ። ምስ ኣሶር ቃል ኪዳን ይኣትዉ፤ ናብ ግብፂ ድማ ዘይቲ ይወስዱ። እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፤ ንያእቆብ ድማ ኸም መጠን መንገዱ ይቐፅዖ፤ ከም መጠን ስራሑውን ክምልሰሉ እዩ። ኣብ ከርሲ እኖኡ እንተሎ ዅርኵሮ ሓዉ ሓዘ፤ ምስ ጐበዘ ኸዓ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ። ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ በኽዩ ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳና ተነጋገረ። ንሱውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ፤ ዝዝከረሉ ስም ከዓ እግዚኣብሄር እዩ። ስለዙይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ፤ ምሕረትን ፍትሕን ሓሉ፤ ኵልሻዕ ብኣምላኽካ ተኣመን። ካብ ወገን ከነዓን እዩ፤ ኣብ ኢዱ ድማ ሚዛን ሓሰት ኣለዎ፤ ጥበራውን ይፈቱ። “ኤፍሬም ኣነ ሃብታም ኮንኩ፤ ንብረትውን ኣጥሪየለኹ። ኣብ ኵሉ ፃዕረይ፥ ሓጢኣት ዝኸውን በደል ኣይርከበንን” በለ። ካብ ምድሪ ግብፂ ጀሚረ ኣነ ኣምላኽኩም እየ፤ ከምቲ ብመዓልቲ በዓልኩም እትገብርዎ ዝነበረ፥ መሊሰ ኣብ ድንኳናት ከንብረኩም እየ። “ንነቢያት ተዛረብክዎም፤ ብዙሕ ራእያትውን ኣርአኽዎም፤ ብኢድ ነቢያት ገይረ ድማ ምስላታት ነገርኩ። ኣብ ገለዓድ ሓጢኣት ኣሎ፤ ብርግፅውን ከንቱ እዮም፤ ኣብ ጌልገላ ዝራብዓት ይስውኡ፤ እቶም መሰውኢታቶም ድማ፥ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝተዀመረ ኣእማን ክኾኑ እዮም።” እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብነቢይ ገይሩ ኻብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ብኢድ ነቢይ ድማ ሓለዎም። ኤፍሬም ግና ኣምሪሩ ኣቘጥዖ፤ ስለዙይ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ፤ ጐይታኡ፥ ንፀርፉ ኣብ ልዕሊኡ ኽምልሰሉ እዩ። ኤፍሬም ክዛረብ እንተሎ ፍርሓት ይኸውን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ተዓበየ። ግና ንበዓል ስለ ዘምለኸ በደለ፤ ሞተውን። ሕዚ እውን ሓጢኣት ክሰርሑ ወሰኹ፤ ብብሩሮም መኺኹ ዝተሰርሐ ምስሊ ኸም ጥበቦም ጣዖታት ሰሪሖም እዮም፤ ኵሎም ከዓ ስራሕ ኢድ ሰብ እዮም። ብዛዕባኣቶም ድማ “እቶም ዝስውኡ ሰባት፥ ነቲ ጣዖት ብተይ ይሳለምዎ” ይብሉ። ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም። ኣነ ግና ኻብ ምድሪ ግብፂ ጀሚረ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር እየ። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ብዘይ ዝኣይ ድማ ኻልእ መድሓኒ የለን። ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ እንተለኻ እፈልጠካ ነይረ። ስለዙይ ምስተዋፈሩ ፀገቡ፤ ምስ ፀገቡውን ልቦም ተዓበየ፤ ስለዙይ ረስዑኒ። ስለዙይ ኣነ ድማ ኸም ኣንበሳ ኾንክዎም፤ ከም ነብሪ ኸዓ ኣብ መንገዲ ኣድበኹሎም። ኰራዅራ ኸም ዘሕደግዋ ድቢ ኾይነ ክገጥሞም እየ፤ ነቲ ስብሒ ልቦም ክቐዶ እየ፤ ከም ዋዕሮ ኽውሕጦም፥ ከም ኣራዊት በረኻውን ክሰላልዖም እየ። “ኦ እስራኤል፥ ኣብ ልዕለይ፥ ኣብ ልዕሊ ረዳኢኻ ስለ ዝተልዓልካ ኽትጠፍእ ኢኻ። ኣብ ዅሉ ኸተማታትካ ኸድሕነካስ፥ ንጉስካ ኣበይ ኣሎ? ንጉስን ኣሕሉቕን ሃበኒ ኢልካ ዝተናገርካዮ፥ መሳፍንትኻ ኣበይ ኣለዉ? ብቝጥዓይ ንጉስ ሃብኩኻ፤ ብመዓተይውን ሰዓርክዎ። “በደል ኤፍሬም ተኣሲሩ ኣሎ፤ ሓጢኣቱ ድማ ተኣኪቡ ኣሎ። ከም እትሓርስ ሰበይቲ ሕማም ሕርሲ ኽመፆ እዩ፤ ኣብዝውለደሉ ጊዜ፥ ብኣፍ ማህፀን ቀኒዑ ኣይመፅእን እዩሞ፥ ኣእምሮ ዘይብሉ ወዲ እዩ። ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ርህራሀ ኻብ ኣዒንተይ ተሰወረ። ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት። ሰብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ኣምላኾም ዓሚፆም እዮም እሞ፥ በደሎም ክስከሙ እዮም። ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ህፃናቶም ክጭፍለቑ፥ ጥኑሳት ኣንስቶም ድማ ኸብደን ክቕደዳ እየን።” ኦ እስራኤል፥ ብሓጢኣትካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ። ምሳኻትኩም ቃል ውሰዱ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተመለሱ፤ ከምዙይ ድማ በልዎ፤ “ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ብምሕረትካውን ተቐበለና፤ ንሕና ኸዓ ኽንዲ ጣዕዋ፥ ፍረ ኸናፍርና ኽነቕርበልካ ኢና። ኣሶር ከድሕነና ኣይኽእልን፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ኣይንቕመጥን፤ እቲ ደኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፥ ደጊም ነቶም ኣእዳውና ዝሰርሕዎም፥ ኣማልኽትና ኢኹም ኣይንብሎምን” በልዎ። ብፍቓደይውን ብልቢ ኽፈትዎም እየ። ከም ኣእዋም ሊባኖስ ከዓ ሰራውር ክሰድድ እዩ። መዓዛኡ ኸም ሊባኖስ ክኸውን እዩ። መዘከርታኦም ድማ ኸም ወይኒ ሊባኖስ ይኸውን። ፍረኻውን ኣባይ እዩ ዝርከብ። ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕል ጠቢብ፥ ዝፈልጦ መስተውዓሊኸ መን እዩ? መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ ዓመፅቲ ግና ይሰናኸሉ። ናብ ኢዩኤል ወዲ ባቱኤል ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ከምዙይ ዝበለዶ ኾይኑ ይፈልጥ እዩ? ደቆምውን ነቲ ዳሕረዋይ ትውልዲ ይንገሩ። ካብ ቃቔጣ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ። ዋይ ዋይ በሉ። ከም ናይ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዝበለ ምንጋጋ ኸዓ ኣለዎ። ጨናፍሩውን ፃዕደወ። ወጮ ተኸዲና እትበኪ ድንግል ብኸዪ። እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት ይበኽዩ ኣለዉ። እቲ ገራሁ ባዲሙ፥ ምድሪ እውን ትበኪ ኣላ። ዋይ ዋይ በሉ። ሓጐስውን ካብ ደቂ ሰብ ረሓቐ። ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ወጮ ደቅሱ። ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ተማህለሉ። ከም ጥፍኣት ክትመፅእ እያ። ሓጐስን ዕልልታን ዝጠፍአዶ ኣይኮነን? ማዕከናትውን ፈረሱ። መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ጠፍኣ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ። እንስሳ በረኻውን ናባኻ የእውዩ ኣለዉ። ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ። ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን። ካብኣቶምውን ዘምልጥ የለን። ከም ኣፍራስ ድማ ይጋልቡ። ከምቲ ንውግእ ዝተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ። ኵሉ ገፅ ሰብውን ይፅልም። ካብ መንገዶም ከዓ ድሕር ኣይብሉን። ናብ ማእኸል ውግእ ይሓልፉ፤ ኣይቘስሉንውን። ከም ሰራቒውን ብመሳዅቲ ይኣትዉ። ከዋኽብቲ ኸዓ ብርሃኖም ይኽውሉ። የመና እተፍርሕን እያ፤ መንከ ይኽእላ? ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ። በረኸት ዝሓድግ እንተ ኮነ፥ መን ይፈልጥ? ዝተቐደሰ ጉባኤውን ፀውዑ። መርዓት ከዓ ኻብ መጋረጃኣ ይውፅኡ። ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ? ዝበሃሉ ይበሉ። ንህዝቡ ኸዓ ራህርሀ። መላገፂ ኣይክገብረኩምን እየ። ክርፋሑ ድማ ኽለዓል እዩ። ኣይትፍርሒ፤ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ። ሓይላቶም ይህቡ ኣለዉ እሞ፥ ኣይትፍርሑ። ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ። መሊኡ ትርፍርፍ ክብል እዩ። ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዐን ዓመታት ክምልሰልኩም እየ። ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን። ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን። ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ እዮም። መንፈሰይ ክኽዑ እየ። ደምን ሓዊን ትክን ከርኢ እየ። ወርሒ ድማ ናብ ደም ክትልወጥ እያ። ብስራት ዝስበኸሎም ክርከቡ እዮም። ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስክዎም፥ ኣብኡ ኽፋረዶም እየ። ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ፤ ሰተዩውን። ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ግዝኣት ፍልስጥኤምን፥ ኣነ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? ኽትፈድዩኒ ዲኹም? እንተ እትፈድዩኒ እኳ፥ ቀልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ዘብህግ ክቡር ኣቕሓይ ከዓ፥ ናብ መቕደሳትኩም ኣእቲኹምዎ ኢኹም እሞ፥ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ኢየሩሳሌምን ድማ፥ ካብ ወሰኖም ክተርሕቕዎም፥ ናብ ግሪካውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ። እንሆ፥ ኣነ ኻብቲ ንኣኣቶም ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸልዕሎም እየ፤ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። ነዙይ እግዚኣብሄር ተዛሪብዎ እዩ እሞ፥ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን፥ ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፤ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፥ ናብ ሰብ ሳባ ኽሸጡኹም እዮም። ኵሎም ተዋጋእቲ ቐሪቦም ይውፅኡ። ኣነ ጅግና እየ ይበል። ኦ እግዚኣብሄር፥ ንጀጋኑኻ ናብኡ ኣውርዶም። ናብ ለሰ ዮሳፍጥውን ይውፅኡ። ኣጋንእ ከዓ መሊኡ የንጠብጥብ ኣሎ እሞ ንዑ ርገፁ። ኣብ ለሰ ፍርዲ ኣሎ። ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ሰዊሮም እዮም። ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ። ድሕሪዙይውን ጓኖት ኣይሓልፍዋን እዮም። ንለሰ ሰጢም ድማ ኽተስቲ እያ። ግብፂ ኽትባድም፥ ኤዶምያስ ከዓ ምድረ በዳ ኽትከውን እያ። ኢየሩሳሌምውን ንውሉድ ወለዶ መንበሪ ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄርውን ኣብ ፅዮን ክሓድር እዩ። ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅፅ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንገለዓድ ብሓፂን መንኰርኰር ኣኺዱ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደማስቆ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን። ኣነ ናብ ቤት ኣዛሄል ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ወልደ ኣዴር ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ንመሸጎሪ ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፤ ነቶም ነበርታውን ካብ ለሰ ኣዌን ከጥፍኦም እየ፤ ነቲ በትሪ ዝሓዘ ድማ፥ ካብ ቤት ኤደን ከጥፍኦ እየ፤ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኾም ናብ ቂር ክኸዱ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ክህብዎም፥ ንዅሎም ምሩኻት ማሪኾም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጋዛ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።” ስለዙይ ኣነ ናብ ቅፅሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። “ንነበርታ ኻብ ኣዛጦን ከጥፍእ እየ፤ በትሪ ንዝሓዘውን ካብ ኣስቀሎና ኸጥፍእ፥ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ኣስቀሎና ክመልስ እየ፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ዝተረፉውን ክጠፍኡ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ንዅሎም ምሩኻት ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮምሞ፥ ንናይ ኣሕዋት ቃል ኪዳንውን ኣይሓሰቡንሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጢሮስ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን። ኣብ ልዕሊ ቅፅርታት ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንሓዉ ብሰይፊ ኣሳጒጕዎ እዩሞ፥ ኵሉ ርህራሀውን ሓዲጉ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ኵልሻዕ ቀዲዱ እዩሞ፥ መዓቱውን ንዘለኣለም ሓሊዩ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ኤዶምያስ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን። ኣብ ልዕሊ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ባሶራን ድማ ህሙኽ ከብሎ እዩ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ወሰኖም ከስፍሑ ንጥኑሳት ገለዓድ ቀዲዶም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደቂ ኣሞን፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን። ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ራባት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ብመዓልቲ ውግእ ብኣውያት፥ ብመዓልቲ ኣውሎ ንፋስውን ብሁከት ንኣዳራሻታ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ንጉሶም ምስ መሳፍንቱ ኽማረኽ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣዕፅምቲ ንጉስ ኤዶምያስ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣቃፂልዎ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ሞኣብ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን። ስለዙይ ኣነ ናብ ምድሪ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ቂርዮት ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብኣውያትን፥ ብድምፂ መለኸትን ክመውት እዩ። ንፈራዲኣ ኻብ ማእኸላ ኸጥፍእ እየ፤ ምስኡ ድማ ንዅሎም ኣሕሉቓ ኽቐትል እየ” ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን። ስለዙይ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ፃድቕ ስለ ገንዘብ፥ ነቲ ፅጉም ድማ ስለ ሓደ ፅምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት እስራኤል፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን። ንርእሲ ድኻታት ኣብ ልዕሊ ሓመድ ምድሪ ይረግፅዎ። ንመንገዲ ትሑታት ይጠዋውይዎ። ነቲ ቕዱስ ስመይ ከርክስዎ ኸዓ፥ ኣቦን ወድን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኣትዉ። ኣብቲ ጥቓ ዅሉ መሰውኢ፥ ነቲ ብትሕጃ ዝተወሰደ ኽዳውንቲ ተነፂፎምዎ ይድቅሱ፤ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኾም ድማ፥ ነቲ ንኻሕሳ ዝተወሰደ ወይኒ ይሰትዩ። ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም። ካብ ኣወዳት ደቅኹም ንነቢያት፥ ካብ ኣጓብዝኩም ከዓ ንናዝራውያን ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስተኹምዎም፤ ንነቢያት ከዓ ‘ኣይትነበዩ’ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም። እንሆ፥ ከምቲ እንዳእቲ ዝመልአት ሰረገላ እትስጕድ፥ ከምኡ ኣነውን ክስጕደኩም እየ። ካብ ጐያዪ ህድማ ይጠፍእ፤ ብርቱዕውን ብብርተዐኡ ኣይብርትዕን፤ እቲ ሓያልውን ንነፍሱ ኣየድሕንን። በዓል ቀስቲ እውን ኣይቐውምን፤ እቲ ፈጣንውን ኣይድሕንን፤ ፈረሰኛውን ንባዕሉ ኣየድሕንን። ኣብ ማእኸል እቶም ሓያላትውን፥ እቲ የመና ተባዕ እኳ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራሕ ዝባኑ ይሃድም” ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎ ወገን ዝተናገርክዎ እዝ ቃል ስምዑ፤ ከምዙይውን በለ፦ “ኣነ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኻትኩም ፈለጥኩኹም፤ ስለዙይውን ብሰንኪ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዐኩም እየ።” ክልተ ሰባት እንተይተሰማምዑዶ፥ ብሓደ ይኸዱ እዮም? ኣንበሳኸ ግዳይ እንተይረኸበዶ፥ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ? ወይ ከዓ ሽደን ኣንበሳኸ ዝኾነ እንተይሓዘዶ ኻብ ጕድጓዱ የድምፅ እዩ? መፈንጠር ኣብዘይብሉዶ፥ ዒፍ ብመፈንጠር ይተሓዝ እዩ? መፈንጠርከ ዝኾነ እንተይሓዘዶ፥ ካብ ምድሪ ይነጥር እዩ? መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ? ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ። ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ? ነቶም ኣብ ኣደራሻት ኣዛጦንን፥ ኣብ ምድሪ ግብፅን ዝነብሩ “ኣብ ርእሲ እምባታት ሰማርያ ተኣከቡ፤ ነቲ ኣብ ማእኸላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ግፍዕን ተመልከቱ” ኢልኩም ኣውጁ። “እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ዙርያ እታ ምድሪ ፀላኢ ኽመፅእ እዩ፤ ሓይልኺ ኻባኺ ኸውርድ እዩ፤ ንኣዳራሻትክውን ክብዝብዞ እዩ።” እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ፥ ክልተ እግሪ ወይ ሓንቲ ቍራፅ እዝኒ ኸም ዘናግፍ፥ ከምኡ ኻብቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ጫፍ ዓራቶም፥ ኣብ ደማስቆውን ኣብ ምንፃፎም ዝተቐመጡ ደቂ እስራኤል ክድሕኑ እዮም። ስምዑ፤ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ከዓ መስክሩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት። “በታ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ዝቐፅዐላ መዓልቲ፥ ንመሰውኢታት ቤቴልውን ክብቀሎ እየ። እቶም ኣቕርንቲ መሰውኢ ድማ ኽስበሩ እዮም፤ ናብ ምድሪ እውን ክወድቁ እዮም። ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ከዕንወን እየ፤ እቶም ብስኒ ሓርማዝ ዘጌፁ ኣባይቲ ኸዓ ኽድምሰሱ እዮም፤ ዓበይቲ ኣባይቲውን ክፈርሱ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ። ጐይታ እግዚኣብሄር ንኣኻትክን ብመሳርሒ ውግእ፥ ተረፋትክንውን ብመቝለብ እትሰሓባለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ኢሉ፥ ብቕድስናኡ መሓለ። ንስኻትክን ነፍሲ ወከፍክን በቲ ኣብ ቅድመኽን ዝተነፀለ መንደቕ ክትወፃ ኢኽን፤ ናብ ሬማንውን ክትድርበያ ኢኽን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ነዙይ ፈቲኹም ኢኹምሞ፥ ናብ ቤቴል ንዑ እሞ ሓጢኣት ግበሩ፤ ናብ ጌልጌላውን ኪዱሞ ሓጢኣት ኣብዝሑ። ንግሆ ንግሆ መስዋእትኹም፥ ኣብ ሰሳልስቲ መዓልቲ ኸዓ ኣስራትኩም ኣቕርቡ። መባኵዕቲ ዘለዎ መስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኣቕርቡ። ብፍቓድኩም ንተቕርብዎ ውህብቶ ኣውጁን ኣውርዩን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። “ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ስኒ ምፅራይ፥ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩምውን እንጀራ ምስኣን ሃብኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር። “ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ። ናይ ክልተ ወይ ናይ ሰለስተ ኸተማታት ሰባት ናብ ሓንቲ ኸተማ ማይ ክሰትዩ ኸዱ፥ ግና ኣይረወዩን፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር። “ብሃጕን ብሕሞድያን ወቓዕኩኹም፤ ንብዝሒ ኣትኽልትኻትኩምን ወይንኻትኩምን ኣዋልዕኹምን ኣንበጣ በልዖ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር። “ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝገበርክዎ፥ መቕሰፍቲ ለኣኽኩልኩም፤ ኣጓብዝኩም ኣብ ኲናት ከም ዝቕተሉ፥ ኣፍራስኩም ከም ዝማረኹ ገበርክዎም። ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣውፃእኹ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር። “ስለዙይ ኣታ እስራኤል፥ ኣነ ኸምዙይ ክገብረካ እየ፤ ከምዙይ ስለዝገብረካውን ኣታ እስራኤል፥ ኣምላኽካ ንኽትራኸብ ተዳሎ።” ስሙ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ዘልቅሶ ዘለኹ ቓል መልቀስ ስምዑ፦ ዘተስኣ ድማ የለን። “ካብታ ሽሕ ዝወፀላ ኸተማ፥ ሚእቲ ይተርፍዋ፤ ካብታ ሚእቲ ዝወፁላ ኸተማ ኸዓ ንቤት እስራኤል፥ ዓሰርተ ጥራሕ ይተርፍዋ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ “ንኣይ ድለዩሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግና ጌልገላ ፈፂማ ኽትማረኽ እያ፤ ቤቴልውን ከንቱ ኽትከውን እያሞ፥ ንቤቴል ኣይትድለዩ፤ ናብ ጌልገላ ድማ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤርሳቤህውን ኣይትሕለፉ።” ኣብ ቤት ዮሴፍ ሓዊ ኸይትነድድ፥ ኣብ ቤቴል ዘጥፍኣ ዘይብላ ኸይትቃፀል፥ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ብህይወት ድማ ኽትነብሩ ኢኹም። ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፥ ንፅድቂ ኸዓ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፥ ወይለኹም! ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ልዕሊ ዕርዲ፥ ጥፍኣት የምፅእ እዩሞ ድለይዎ። ንሳቶም ነቲ ኣብ በሪ ኣደባባይ ዝግስፆም ይፀልእዎ፤ ነቲ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ ይፅየፍዎ። ንድኻ ስለ ዝረገፅኩምዎ፥ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከዓ ንግብሪ ስለ ዘግደፍኩምዎ፥ ብፅሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኹም፥ ግና ኣይትነብሩሉን ኢኹም። ዘሕጕስ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፤ ግና ወይኑ ኣይትሰትዩን ኢኹም። ኣነስ በደልኩም ብዙሕ፥ ሓጢኣትኩም ከዓ ብርቱዕ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ነቲ ፃድቕ ተጨንቕዎ፤ ጉቦውን ትቕበሉ፤ ነቲ ምስኪን ኣብ ደገ ኣደባባይ ትገፍዕዎ ኣለኹም። ስለዙይ፥ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፥ እቲ ለባም በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ዘመን ስቕ ይብል። ብህይወት ንኽትነብሩ፥ ሰናይ እምበር ክፉእ ኣይትድለዩ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም ዝተናገርኩምዎ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ነዝ ተሪፉ ዘሎ ቤት ዮሴፍ እንተ ራህርሀሉስ ክፉእ ፅልኡ፤ ሰናይ ከዓ ፍተዉ፤ ኣብ በሪ ባይቶውን ቅኑዕ ፍረዱ። ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፦ “ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ክቍዘም፥ ኣብ ኵሉ መንገድታት ከዓ፥ ዋይ ዋይ ክበሃል እዩ። ንሓረስቶት ናብ ብኽያት፥ ነቶም መልቀስ ዝኽእሉ ናብ ዋይታ ኽፅውዑ እዮም። ብማእኸልኩም ክሓልፍ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ እንዳ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ወዮ! ተብሂሉ ኽብከ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትፅበዩ ወይለኹም። ንመዓልቲ እግዚኣብሄር ንምንታይ ትደልዩዋ? ንሳስ መዓልቲ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን እያ። ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ። መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን? ግብ ዝበለ ፀልማትን ምንፅብራቕ ብርሃን ዘይብላንዶኸ ኣይኮነትን? “ነቲ ዓመት በዓላትኩም ፀሊአዮ፥ ተፀይፈዮውን፤ እቲ ኣኼባኹምውን ደስ ኣየብለንን። ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ እኽልኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፥ ኣይቕበሎን እየ፤ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን፥ ቈላሕ ኣይብሎን እየ። ድምፂ ዝማሬኹም ካባይ ኣርሕቑ፤ ንቓና በገናኹምውን ኣይሰምዖን እየ። ፍርዲ ኸም ማያት፥ ፅድቂ ኸዓ ኸም ዘይነፅፍ ሩባ ይፍሰስ። “ኦ ቤት እስራኤል፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መስዋእትን ቍርባንንዶ ኣቕሪብኩምለይ ኢኹም? ንባዕልትኹም ዝሰራሕኹምዎም ምስልታት፥ ድንኳን መሎኽን፥ ምስሊ ኮኸብ ሬፋን ኣምላኽኩምን ኢኹም ዘልዓልኩም። ስለዙይ ንኽንየው ደማስቆ ኸም እትማረኹ ኽገብረኩም እየ” ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር። እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም! ናብ ካልኔ ሕለፉን ጠምቱን፤ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ከተማ ሃማት ኪዱ፤ ቀፂልኩም ከዓ ናብ ጌት ከተማ ፍልስጥኤማውያን ውረዱ። ንሳተን ካብዘን መንግስታት እዚኣተን ይሐሻ ዲየን? ወይ ወሰናተን ካብ ወሰናታትኩምዶ ይሰፍሕ እዩ? ንኽፍእቲ መዓልቲ ኻባኻትኩም ንእተርሕቑ፥ ወንበር ዓመፅ ንተቕርቡ፥ ኣቱም ብስኒ ሓርማዝ ኣብ ዝተሰርሐ ዓራት እትድቅሱ፥ ኣብ ልዕሊ መንፀፍኩም ድማ ተደላዲልኩም ንእትቕመጡ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታት፥ ካብ ደምበ ኸፍቲ ምራኹት እትበልዑ፥ ብበገና እትደርፉ ኸም ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ እተዳልዉ፥ ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ እትሰትዩ፥ ዝተመረፀ ሽቱ ኸዓ እትቕብኡ፥ ብመከራ ዮሴፍ ግና ዘይትሓዝኑ ወይለኹም! “ስለዙይ ሕዚ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝማረኹ ኽትማረኹ ኢኹም። እቲ ኣብ ማእዲ እተውክዕዎ ዝነበርኩም ድማ ኽውዳእ እዩ።” ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ። ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፦ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰባት እኳ እንተ ተረፉ ኽሞቱ እዮም። ዘመድ እቲ መዋቲ ምስ እቲ ዘቃፅሎ ሰብ፥ ነቲ ሬሳ ኻብ ገዛ ኸውፅኦ ምሰልዓሎ፥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘሎ ኸዓ “ገናዶ ዝኾነ ሰብ ምሳኻ ኣሎ” ኢሉ ኽጥይቖ እዩ። ንሱ ድማ ሽዑ “ሓደ እኳ የለን” ኢሉ ኽምልሰሉ እዩ። እቱይ ድማ “ስም እግዚኣብሄር ክንሰሚ ኣይግብአናን እዩ እሞ፥ ስቕ በል” ክብሎ እዩ። እንሆ፥ እግዚኣብሄር ክእዝዝ እዩ እሞ፥ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፥ እታ ንእሽተይ ቤት ከዓ ምእንቲ ኽትደቅቕ ክውቅዓ እየ። ኣፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ይጋልቡ እዮም? ኣብዑርከ ኣብ ልዕሊኡዶ ይሓርሱ እዮም? ንስኻትኩም ግና ንፍርዲ ናብ መርዚ፥ ንፍረ ፅድቂ ናብ ዕረ ለወጥኩምዎ። ንስኻትኩም “ብኸንቱ ነገር እትሕጐሱ፥ ብሓይልናዶ ኣይኮናን ኣቕርንቲ ዝወሰድና እትብሉ ዘለኹም። “ስለዙይ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ እንሆ ህዝቢ ኸተስአልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኻብቲ መእተዊ ሃማት ጀሚሮም፥ ክሳዕ ሩባ ዓረባ ከጨንቑኹም እዮም” ይብል ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ እቲ ዳሕረዋይ ናይ ንጉስ ዝኾነ ሳዕሪ ምስ ተዓፅደ፥ ገና ምጭላድ ክጅምር እንተሎ፥ እግዚኣብሄር ኣንበጣ ፈጠረ፤ እንሆ ድሕሪ ዓፂድ እቲ ንጉስ ዝበቈለ ጠጥዒ ነበረ። ኣብቲ ራእይ ከዓ ነቲ ዅሉ ጠጥዒ ምድሪ ኽበልዖ እንተሎ ረአኹ እሞ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል? በይዛኻ ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በል” በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር። ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ኽቐፅዕ ፀውዐ። እቲ ሓዊ ነቲ ዓብዪ ቃላይ ባሕርን ንምድርን በልዖ። ኣነ ድማ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ንኽትሓድግ እልምነካ ኣለኹ፤ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል?” በልኩ። እግዚኣብሄር ከዓ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይውን ኣይኸውንን እዩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። ከምዙይ እውን ኣርኣየኒ፦ እንሆ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ገመድ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብቲ ብመለክዒ ዝተሰርሐ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ ኣብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል፥ ንመለክዒ መንደቕ ክገብሮ እየ። ካብዙይ ንደሓር ኣይሓልፎን እየ። ናይ ይስሓቅ መምለኺ ዀረብታታት ክዓንዉ እዮም። መቕደስ እስራኤል ክፈርስ እዩ። ኣነውን ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዮርብዓም፥ ብሰይፊ ኽለዓል እየ” በለ። ሽዑ ኣሜስያስ ካህን ቤቴል፥ ናብ ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል፥ ከምዙይ ኢሉ መልእኽቲ ለኣኸ፦ “ኣሞፅ ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ሻራ ገይሩልካ ኣሎ። እታ ምድሪ እውን ንዅሉ ቓላቱ ክትፀውር ኣይትኽእልን እያ። ኣሞፅ ባዕሉ ‘ኢዮርብዓም ብሰይፊ ኽመውት እዩ፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ተማሪኾም፥ ካብ ምድሮም ክውሰዱ እዮም’ ኢሉ ይዛረብ ኣሎ” በሎ። ኣሜስያስ ድማ ንኣሞፅ “ኣታ በዓል ራእይ፥ ኪድ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ህደም፤ ኣብኣውን እንጀራኻ ብላዕ፤ ኣብኣ ኸዓ ተነበ። ግና ቤቴል ናይ ንጉስ መቕደስ፥ ናይ መንግስቱውን መንበሪ እያ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ኣብኣ ኣይትነበ” በሎ። ኣሞፅ ከዓ ንኣሜስያስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነ ሓላዊ ኸፍትን፥ ኣራዪ ፍረ ዳዕሮን እየ እምበር፥ ነቢይ ወይ ወዲ ነቢይ ኣይኮንኩን። ኣባጊዕ ክጓሲ እንተለኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ ‘ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ በለኒ። ሕዚ እውን ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ ‘ንስኻ፥ ኣንፃር እስራኤል ኣይትነበ፤ ኣንፃር ቤት ይስሓቕውን ኣይትስበኽ’ ትብል ኣለኻ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅኻ፥ ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፤ ንስኻውን ኣብ ዝረኸሰት ሃገር ክትመውት ኢኻ። እስራኤልውን ብርግፅ ካብ ሃገሩ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።” ጐይታ እግዚኣብሄር ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ ኸዓ ፍረ ቐሪም ዝመልአ ኸፈር ነበረ። ድሕሪ ደጊም ሸለል ኢለ ኣይሓልፎምን እየ” በለኒ። ኣብ ኵሉ ቦታ ኸዓ፥ ብስቕታ ኽድርበዩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ኣቱም ነቲ ምስኪን እትውሕጡ፥ ነቶም ፅጉማት እታ ሃገርውን ክተጥፍኡ እትደልዩ፥ ንስኻትኩም “መስፈሪ እናንኣስና፥ ሕልፊ እናኽፈልና፥ ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና እኽሊ ኽንሸይጥስ፥ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኮን ይሓልፍ? ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፥ ሰንበት መኣዝ ኮን ትሓልፍ?” እትብሉ፤ “ጕርዲ ስርናይ ክንሸይጥ ኢና፤ ነቲ ድኻ፥ ብብሩር፥ ነቲ መስኪን ከዓ፥ ብሓንቲ ፅምዲ ሳእኒ ኽንገዝኦ ኢና” እትብሉ ነዙይ ስምዑ። እግዚኣብሄር ብኽብሪ ያእቆብ ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ኣነ ንዅሉ ግብሮም ንዘለኣለም ከቶ ኣይርስዖን እየ፤ እዛ ምድሪ እዚኣ በዝ ምኽንያት እዙይዶ ኣይተንቀጥቅጥን እያ? እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶምከ ኣይሓዝኑንዶ? ንሳ ብምልእታ ኸም ወሓዚ ኽትለዓል፥ ከም ፈለግ ግብፂ መሊኣ ቐምበይ ቀምበይ ክትብልን፥ ጐዲላ ኸዓ ትሕት ክትብልን እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ቀትሪ እንተሎ ንፀሓይ ከዕርባ፥ ድሙቕ መዓልቲ እንተሎውን ንምድሪ ኸፀልምታ እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። ንበዓላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፥ ንዅሉ መዝሙርኩም ከዓ ናብ ብኽያት ክልውጦ እየ፤ ኵሉ ጐድኒ ወጮ ኸም ዝኽደን፥ ኵሉ ርእሲ ድማ ኸም ዝንፀ ኽገብር እየ። ብሞት ሓደ ውሉዶም ከም ዝሓዝኑ፥ መወዳእታውን ከም መራር መዓልቲ ኽገብር እየ። “እንሆ፥ ኣነ ናብታ ምድሪ ጥሜት ዝሰደለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። እዝ ጥሜት እዙይ ግና ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ጥሜት እንጀራን ፅምኢ ማይን ኣይኮነን። ሰባት ቃል እግዚኣብሄር ክደልዩ፥ ናብዙይን ናብቱይን ክጐዩ እዮም። ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፥ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ ኰለል ክብሉ እዮም፤ ግና ኣይረኽብዎን። በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ፅቡቓት ደናግልን እቶም ኣጓብዝን ብፅምኢ ኸሕለልዉ እዮም። እቶም ‘ኣታ ዳን ኣምላኽካ ህያው እዩ’ ወይ ‘መንገዲ ቤርሳቤህ ህያው እዩ’ እናበሉ ብሓጢኣት ሰማርያ ዝምሕሉ ኽወድቁ እዮም፤ መሊሶምውን ኣይትስኡን እዮም።” ንጐይታ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ረአኽዎ። ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እቲ ልዳውቲ ኽሳዕ ዝነቓነቕ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፤ ተሰባቢሩ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ህዝቢ ይውደቕ። ኣነ ኸዓ ነቶም ካብኣቶም ዝተረፉ፥ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ። ካብኣቶምስ ሓደ እኳ ኣየምልጥን፤ ዘምልጥውን ኣይድሕንን እዩ። ናብ ሲኦል እንተ ወረዱኳ፥ ኢደይ ካብኡ ኽተውፅኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን፥ ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ። ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፥ ደልየ ኻብኡ ኸውፅኦም እየ፤ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡውን፥ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኽነኽሶም እዩ። ብኢድ ፀላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱውን፥ ኣብኡ ንሰይፊ ኽእዝዝ እየ፤ ንሱውን ክቐትሎም እዩ፤ ዓይነይ ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ናብኣቶም ክገብር እየ።” ከም ፈለግ ግብፂውን ትወርድ። ስሙውን እግዚኣብሄር እዩ። “ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኮንኩምን? ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ከፍቶር፥ ንሶርያውያን ከዓ ኻብ ቂር ዘውፃእኽዎም ኣነዶ ኣይኮንኩን? እንሆ፥ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሓጥእ ዝኾነት መንግስቲ እየን፤ ካብ ገፅ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍኣ እየ። ግና ንዘርኢ ያእቆብ ፈፂመ ኣየጥፍኦን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። “እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ፤ ንቤት እስራኤል ከዓ ኸምቲ እኽሊ ብመንፊት ዝንፈ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክነፍዮም እየ፤ ግናኸ ሓንቲ ፍረ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። እቶም ‘ክፉእ ኣይረኽበናን እዩ፤ ኣይበፅሐናንውን’ ዝብሉ ዅሎም ሓጥኣን ህዝበይ፥ ብሰይፊ ኽሞቱ እዮም።” “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከተስእ እየ፤ ንዝነቕዐ መናድቓ ኽፅግኖ፥ ንዝፈረሰ ኽሕድሶ፥ ከምቲ ብጥንቲ ዘመን ዝነበረቶ ገይረ ኸዓ ኽሃንፃ እየ። እዙይውን እቶም ኣብ ኤዶምያስ ዝተረፉን፥ እቶም ስመይ ዝተፀውዖም ኵሎም ኣህዛብን ምእንቲ ኽወርሱ እዩ” ይብል እቲ ነዙይ ዝገብር እግዚኣብሄር። ኵሎም ኰረብታታት ድማ ኽመኩ እዮም። ኣታኽልቲ ኽተኽሉ እዮም፤ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም። ይብል ኣምላኽካ እግዚኣብሄር።” “ተስኡ፥ ኣብ ልዕሊኣ ብሰልፊ ንለዓል፥ ኢሉ እዩ።” ንስኻ ፈፂምካ ተንዒቕካ ኢኻ። ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ እዩ። ካብኡ ኸውርደካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ንስኻ ግና ኸመይ ኢልካ ጠፋእኻ! ዝተሓብአ ነገር ከመይ ተደለየ! ንሳቶምውን ምስትውዓል የብሎምን። ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። ጀጋኑኻ ኽርዕዱ እዮም።” ንዘለኣለምውን ክትጠፍእ ኢኻ። ንስኻውን ካብኣቶም ከም ሓደ ነበርካ። ብትዕቢት ክትዛረብ ኣይግበአካን ነይሩ። ሃብቶም ክትዘምት ኣይምተገበአካን ነይሩ። ኣይምተገብአካን ነይሩ። ፍዳኻውን ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ኽምለስ እዩ። ከም ዘይነበሩ ኸዓ ክኾኑ እዮም።” ቤት ያእቆብ ድማ ርስቶም ክወርሱ እዮም። ካብ ቤት ኤሳው፥ ሓደ እኳ ተረፍ ኣይህሉን እዩ።” ብንያምውን ንገለዓድ ክወርስ እዩ። ንኸተማታት ደቡብ ክወርስወን እዮም። መንግስቲ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ክኸውን እዩ።” ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ ወዲ ኣማቴ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብታ ዓባይ ከተማ ናብ ነነዌ ኺድ፤ ክፍኣታ ኣብ ቅድመይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኣ ስበኽ።” ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ፤ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ። እቶም መርከበኛታት ድማ ፈርሑ፤ ነፍሲ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ክብደት እታ መርከቦም ምእንቲ ክቐለሎም ከዓ፥ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ኣቑሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕተዋይ ክፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ፥ ከቢድ ድቃስ ደቂሱ ነበረ። እቲ ሓለቓ መርከብ ከዓ ናብኡ ቐሪቡ “ንምንታይ ትድቅስ? ተስእ፤ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከይንጠፍእ እንተ ዘከረና፥ ስም ኣምላኽካ ፀውዕ” በሎ። ንስንሳቶም ድማ “እዝ መከራ እዙይ ብሰንኪ መን ከም ዝረኸበና ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ንዑ ዕፃ ነውድቕ” ተበሃሃሉ። ሽዑ ዕፃ ኣውደቑ፤ እታ ዕፃ ኸዓ ኣብ ዮናስ ወፀት። ንሳቶም ከዓ “በይዛኻ ንገረና፤ እዝ ረኺቡና ዘሎ መከራስ ብሰንኪ መን እዩ? ስራሕኻ እንታይ እዩ? ካበይከ ኢኻ መፂእኻ? ሃገርካ ኣበይ እዩ? ካብ መን ወገንከ ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ዕብራዊ እየ፤ ነቲ ባሕርን ንቑፅ የብስን ዝፈጠረ፥ ንኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር ዘምልኽ እየ” በሎም። ሽዑ እቶም ሰባት፥ ንሱ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ይሃድም ከም ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፥ ፈሊጦም ነበሩ፤ የመናውን ፈርሑ እሞ “ስለ ምንታይ ደኣ እዙይ ገበርካ?” በልዎ። እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ንሳቶም “ባሕሪ ኽሃድአልናስ እንታይ ንግበርካ?” በልዎ። ንሱ ድማ “እዝ ብርቱዕ ማዕበል ብሰንከይ ከም ዝበፅሐኩም ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፤ እቲ ባሕሪ ኸዓ ኽሃድአልኩም እዩ” በሎም። እቶም ሰባት እናቐዘፉ ናብ ምድሪ ኽምለሱ ኣበርቲዖም ይፅዕሩ ነበሩ። ግና እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኮነሎምን። ሽዑ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንልምነካ ኣለና፤ ምእንቲ ነፍሲ እዝ ሰብ እዙይ ኣይተጥፍአና፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ዝፈተኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፥ ንፁህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይኹን” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ እቲ ባሕሪ እውን ካብ ምንዋፁ ሃድአ። እቶም ሰባት ከዓ ንእግዚኣብሄር የመና ፈርሑዎ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሰውኡ፤ መብፅዓውን ተመባፅዑ። እግዚኣብሄር ግና ንዮናስ ዝውሕጥ ሓደ ዓብዪ ዓሳ፥ ኣዳለወ። ዮናስ ከዓ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። ንስኻውን ድምፀይ ሰማዕኻ። ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ። ግና ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ’ በልኩ። ሳዕሪ ባሕሪ እውን ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ። ንስኻ ግና ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውፃእኻያ። ፀሎተይ ናባኻ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ትዕረግ። እቶም ከንቱን ሓሰትን ዝሕልዉ፥ ምሕረቶም ይሓድጉ። ድሕነት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።” ንሱውን ንዮናስ ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ተፍኦ። ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብ ነነዌ፥ ናብታ ዓባይ ከተማ ኺድ፤ ኣነ ዝነግረካ ስብከት ስበኸላ” በሎ። ዮናስ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ ተሲኡ ናብ ነነዌ ኸደ። ነነዌ ግና መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ እትወስድ፥ የመና ዓባይ ከተማ ነበረት። ዮናስ ናብታ ኸተማ ኽኣቱ መንገዲ ሓንቲ መዓልቲ ምስ ተጕዓዘ “ኣብ ውሽጢ እዘን ሰለስተ እዝ ወረ እዙይ ናብ ንጉስ ነነዌ በፅሐ፤ ንሱ ድማ ኻብ ዙፋኑ ተሲኡ፥ ልብሲ መንግስቱ ቐንጠጠ፤ ወጮ ተኸዲኑውን ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ። ኣብ ህዝቢ ነነዌ ኸዓ፥ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን፥ ከምዙይ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ፦ “ሰብ ወይ እንስሳ ሓደኳ ኣይጥዓም። መጓሰ ኸፍቲ ኾነ መጓሰ ኣባጊዕ ዝኾነ ኣይጥዓሙ፤ ኣይውፈሩ፤ ማይውን ኣይስተዩ። ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ፤ ዓው ኢሎም ድማ ናብ እግዚኣብሄር የእውዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዱን፥ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ግፍዕን ይመለስ። እግዚኣብሄር እንተ ተመለሰን እንተ ተናሰሐን፥ ንሕና ኸይንጠፍእ ድማ፥ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመለሰን መን ይፈልጥ?” እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመለሱ ግብሮም ረአየ። እግዚኣብሄርውን ነቲ ኸውርደሎም ኢሉ ተናጊርዎ ዝነበረ ኽፉእ ነገር ተናሲሑ ኣይገበሮን። እዝ ነገር እዙይ ንዮናስ ኣየሐጐሶን፤ የመናውን ተቘጠዐ። ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ። ኦ እግዚኣብሄር፥ እምበኣርከስ ሕዚ ኻብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ እዩ እሞ፥ እልምነካ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ድማ “ብሱሩ ኽትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ። ዮናስ ከዓ ኻብታ ኸተማ ንወገን ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ እሞ፥ ኣብኣ ተቐመጠ፤ ንባዕሉ ድማ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዝወርዳ ኽርኢ ኸዓ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ንዮናስ ርእሱ ኽተፅልለሉ እሞ፥ ካብ ጭንቂ ኽተድሕኖ ኢሉ፥ ሓንቲ ተኽሊ ሓምሓም ኣብቈለ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸም እትዓቢ ድማ ገበራ። ዮናስውን በታ ተኽሊ ሓምሓም የመና ተሓጐሰ። ግና ንፅባሒቱ ምስ ወግሐ፥ ኣምላኽ፥ ሓሰኻ ኣዳለወ፤ ነታ ተኽሊ ድማ እቲ ሓሰኻ በልዓ፤ ንሳ ኸዓ ነቐፀት። ፀሓይ ምስ በረቐት ድማ፥ እግዚኣብሄር ዘቃፅል ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፤ እታ ፀሓይ ከዓ ንዮናስ፥ ርእሱ ኽሳዕ ዝዞሮ ወቕዐቶ። ንሱውን ንባዕሉ ሞት ተመንዩ፥ “ካብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዮናስ “ብሓቂ ብዛዕባ እታ ተኽሊ ሓምሓም ክትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ። ዮናስ ድማ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ ይግብአኒ እዩ” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ “ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕበኻያን፥ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት፥ ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍአት ተኽሊ ሓምሓም ሓዘንካ። ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፥ የማኖም ካብ ፀጋሞም ክፈልዩ ዘይኽእሉ፥ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዝበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋ ኽርህርሀላዶ ኣይግብአንን?” በሎ። ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም፥ ስምዑ፤ ምድሪ እውን ብምልእታ ትስማዕ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ንሱውን እቲ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ዝኾነ ጐይታ ኣብ ልዕሌኹም ይመስክረልኩም። እንሆ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኽወፅእ እዩ፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ኽረግፅ እዩ። ሽዑ እምባታት ከምቲ ሽምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፥ ከምቲ ብፀድፊ ወሪዱ ዝፈስስ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፤ ሽንጥሮታት ከዓ ኽጭደዱ እዮም። እዝ ዅሉ፥ ብሰንኪ በደል ያእቆብን፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ? ሰማርያዶ ኣይኮነትን? በረኽቲ መስገዲ ይሁዳ እንታይ እዩ? ኢየሩሳሌምዶ ኣይኮነትን? ስለዙይ “ንሰማርያ ኸም ኣብ ሜዳ ዘሎ ኹምራ እምንን፥ ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጥሮ ኽውርውሮ፥ ንመሰረታ ኸዓ ኽቐልዖ እየ። እቲ ቕሩፅ ምስልታታ ክሰባበር እዩ። እቲ ዅሉ ዋጋ ምንዝርናኣውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፥ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ክኾኑ እዮም እሞ፥ ኣነ ንዅላቶም ጣዖታታ ኽሰባብሮም እየ።” “በዝ ምኽንያት እዙይ እበክን፥ ዋይ ዋይ እብልን፥ ጥራሕ እግረይን ጥራሕ ሰብነተይን ኮይነ እኸይድ፥ ከም ውኻርያ እበኪ፥ ከም ሰገን ከዓ ድምፂ ሓዘን ኣስምዕ ኣለኹ። ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።” ኣብ ጌት ኣይተውርይዎ፤ ኣብ ልዕሊ ኣኮ ብኽያት ኣይትብከዩ። ኣብ ቤት ኦፍራ ግና ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ። ኣቲ ኣብ ሳፊር እትነብሪ፥ ዕርቃንኪ ወፂእኺ ብሕፍረት ሕለፊ፤ እታ ኣብ ፀዓናን እትነብር፥ ካብኡ ኣይወፀትን። ብኽያት ቤትኤፄል ስፍራኡ ኣሕደገኩም። መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ ኢየሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፥ እታ እትነብር ሰናይ ነገር ትፅበ ኣላ። ኣቲ ኣብ ላኪሶ እትነብሪ፥ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ፅመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ንጓል ፅዮን ናይ መጀመርያ ሓጢኣት ነበረት። ስለዙይ ንሞሬሼትጌት ውህብቶ ኽትወሃቢ ኢኺ፤ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል መጠበሪ ክኾኑ እዮም። ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፥ ዝወርስ ከምፀአልኪ እየ፤ ክብሪ እስራኤል ድማ ናብ ኣዶላም ክመፅእ እዩ። እቶም እትሕጐስሎም ደቅኺ፥ ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፥ ፀጕርኺ ንፀዪ፤ ርእስኺውን ላፅዪ፤ ነቲ ነዃዕኪ ድማ ኸም ናይ ንስሪ ኣግፍሒዮ። እቶም በደል ዝምህዙ፥ ኣብ መደቀሲኦም ከዓ ኽፉእ ዝፍሕሱ ወይለኦም! ስልጣን ኣብ ኢዶም ስለ ዝኾነ፥ ብብርሃን ወጋሕታ ኽፍፅምዎ እዮም። ገራሁ ይብህጉ፥ ይሕዝዎውን፤ ኣባይቲ ይምነይዎ፥ ይወስድዎውን፤ ንሰብኣይን ንቤቱን፥ ንሰብን ንርስቱን ይምንጥሉ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ እዝ ወለዶ እዙይ፥ ክፉእ ክምህዘሉ እየ፤ እንሆ፥ ክፉእ ዘመን እዩሞ ኽሳድኩም ኣይተልዕሉን፤ ተዓቢኹም ከዓ ኣይትኸዱን። ንእኡ ዝኽልክል የለን፤ ነቲ ገራሁና ንኸዳዕተኛታት ይዕድል” ይብሉ። ስለዙይ ኣብ ማእኸል ጉባኤ እግዚኣብሄር፥ መሬት ብዕፃ ገመድ ዘውድቕ ኣይህልወካን። ነቶም ዝንበዩ ኣይትነበዩ ይብልዎም፤ ብኣኣቶም ትንቢት እንተ ዘይተናገሩኳ ነውሮም ኣይርሕቕን። “ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሃል! ብሓቂ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘይዕገስ ድዩ? ስራሑኸ ኸምዙይ ድዩ? ቃለይስ ብቕንዕና ንዝኸይድ ሰናይዶ ኣይገብርን? “ግና ኻብ ቀረባ ጊዜ፥ ህዝበይ ከም ፀላኢ ኾይኑ ተልዓለ፤ ሓሳብ ውግእ ካብ ዘይነበሮም፥ ብሰላም ካብ ዝሓልፉ ሰባት፥ ባርኖስ ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ገፈፍኩም። ነንስቲ ህዝበይ ካብ ዝፈትዋኦ ኣባይተን ሰጐጕኩምወን፤ ካብ ደቀን ክብረይ ንዘለኣለም ወሰድኩም። ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት፥ ኣብዝ ስፍራዙይ ዕረፍቲ የብልኩምንሞ ተስኡ ኺዱ። “ንንፋስ ተኸቲሉ ስለ ወይንን ስለ ስኽራንን ትንቢት ክነግረካ እየ ኢሉ፥ ሓሰት ዝዛረብ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ነዝ ህዝቢ እዙይ ነቢይ ይኸውን። “ኦ ያእቆብ፥ ኵለንትናኻ ፈፂመ ኽእክበካ እየ፤ ተረፍ እስራኤልውን ብርግፅ ክእክብ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ባሶራ፥ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓደ ኽእክቦም እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ድምፆም ከስምዑ እዮም። እቲ ሰባሪ ወፂኡ ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ፤ ንሳቶምውን ሰይሮም ናብቲ በሪ ይሓልፉ፤ ብእኡውን ይወፁ። እግዚኣብሄር እናመርሖም ንጉሶም ቀቅድሚኣቶም ክኸይድ እዩ።” ኣነውን ከምዙይ በልኩ፤ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን፥ መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን ስምዑ፤ ስለ ፍትሒ ምፍላጥዶ ኣይግብአኩምን? ንስኻትኩም ግና ሰናይ እትፀልኡን፥ ክፉእ ከዓ እትፈትዉን ሰባት ኢኹም። ንህዝበይ ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ንስጋኦም ካብ ኣዕፅምቶም ፈላለኹምዎ። ንህዝበይ ስጋኦም በሊዕኹም ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ኣዕፅምቶም ሰባቢርኩም፥ ከምቲ ናብ ድስቲ ዝኣቱ ስጋ ቘራሪፅኩምዎም። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ከእውዩ እዮም፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን፤ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ክፉእ ስለ ዝገበሩ ገፁ ኻባኣቶም ክስውር እዩ። እግዚኣብሄር ንህዝበይ ብዛዕባ ዘስሕቱ ነቢያት በስናኖም እናተናኸሱ ሰላም ዝእውጁ፥ ነቲ ናብ ኣፎም ዝኾነ ዘይህቦም ድማ፥ ውግእ ዝእውጁ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለዙይ ዝረአኹምዎ ራእይ፥ ለይቲ፥ ጥንቈላኹም ድማ ፀልማት ክኾነኩም እዩ፤ ፀሓይውን ኣብ ልዕሊ ነቢያት ክትዓርብ እያ፤ መዓልቱውን ክፅልምቶም እዩ። እቶም ራእይ ዝሪኡ ኽንውሩ፥ እቶም ትንቢት ዝዛረቡ ኸዓ ኽሓንኩ እዮም። እግዚኣብሄር ስለ ዘይምልሰሎም፥ ኵላቶም ብሕፍረት ከንፈሮም ክኸድኑ እዮም።” ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ሓጢኣቱ ኽነግር፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ሓይልን ፍርድን ትብዓትን ተመሊአ ኣለኹ። ኣቱም ፍትሒ እትንዕቑ፥ ቅኑዕ ንዝኾነ እትጠውዩ፥ መራሕቲ ቤት ያእቆብን ገዛእቲ ቤት እስራኤልን፥ በይዛኻትኩም እዙይ ስምዑ። ኣሕሉቓ ንፅዮን ብደም፥ ንኢየሩሳሌም ድማ ብኽፍኣት እትሃንፁ ስምዑ። ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም። ንሕናውን ብመንገድታቱ ኽንኸይድ ኢና” ኽብሉ እዮም። ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም። ዘፍርሖውን የለን። ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ሓንካስ ክእክባ እየ፤ ነታ ዝተሰጐጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ክእክባ እየ። ነታ ሓንካስ ንተረፍ ነታ ናብ ርሑቕ ዝተሰጐት ከዓ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብራ እየ፤ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ እምባ ፅዮን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ።” ኣታ ግንቢ መጓሰ፥ እታ እምባ ጓል ፅዮን፥ ናባኻ ኽትመፅእ እያ፤ እታ ናይ ቀደም ግዝኣት፥ መንግስቲ ጓል ኢየሩሳሌም ክትመፅእ እያ። ስለ ምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እተእውዪ? ስለ ምንታይከ ሕርሳ ኸም ዝበፅሐ ሰበይቲ ቅልውላው ዝሕዘኪ? ንጉስ ስለ ዘየብልክን መማኽርትኺ ኸዓ ስለ ዝጠፍኡን ድዩ? ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ ኣቕለልዊን ሕረስን፤ ሕዝስ ካብ ከተማ ወፂእኺ ኣብ ሜዳ ኽትቅመጢ ኢኺ፤ ናብ ባቢሎንውን ክትበፅሒ ኢኺ፤ ኣብኡ እግዚኣብሄር ካብ ፀላእትኺ ኽቤዘወኪ እዩ። ሕዚ ግና ብዙሓት ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተኣኪቦም፥ “ትርከስ፤ ኣዒንትናውን ንፅዮን ይጠምታ” ይብሉ። ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈልጡን እዮም፤ ንምኽሩውን ኣየስተውዕሉን፤ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ኣኪብዎም እዩሞ። ኣቲ ጓል ፅዮን ተልዒልኪ ኣኺዲ፤ ንቐርኒኺ ሓፂን፥ ንሸዀናኺ ነሃስ ክገብሮ እየሞ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትሰባብሪ ኢኺ፤ ኣነውን ነቲ ዝዘመትዎ ንእግዚኣብሄር፥ ሃብታቶምውን ንጐይታ ዅላ ምድሪ ኽቕድሶ እየ። ኣቲ ጓል ጭፍራታት ጭፍራኺ ሕዚ ኣክቢ፤ ከቢቡ ኣጨኒቑና እዩ፤ ንፈራዲ እስራኤልውን ምዕጕርቱ ብበትሪ ይወቕዕዎ ኣለዉ። ስለዙይ ክሳዕ እታ ወላዲቱ ንእኡ እትወልደላ ዘመን፥ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። ብድሕሪኡ ግና እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ክምለሱ እዮም። ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን፥ ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን፥ ንመጓሰኡ ክጓስየን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንሳቶምውን ክነብሩ እዮም። ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ ኣተወ ምድርናውን ምስ ረገፀ፥ ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ ኣሕሉቕን ክነተስአሉ ኢና። ንሳቶም ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፥ ንሃገር ናምሩድ ከዓ፥ ኣብ በርታት ከጥፍእወን እዮም። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መፀ፥ ወሰንና ድማ ምስ ረገፀ፥ ንሱ ኸናግፈና እዩ። እቲ ተረፍ ያእቆብ፥ ኣብ ማእኸል ብዙሓት ኣህዛብ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ ጠሊ፥ ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ካፋ ንሰብ ከም ዘይሕሉ፥ ኣብ ደቂ ሰባትውን ተስፋ ኸም ዘይገብር ክኸውን እዩ። እቲ ተረፍ ያእቆብ ከዓ ኣብ መንጎ ኣህዛብን፥ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታትን ከም ኣንበሳ፥ ኣብ ማእኸል እንስሳትን፥ ኣብ ማእኸል መጓሰ ኣባጊዕን፥ ሓሊፉ ከም ዝረጋግፅ፥ ዘናግፍ ከዓ ዘየለ ከም ዝምንጥል፥ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኸውን እዩ። ኢድካ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ልዕል ልዕል ክትብል እያ፤ ኵሎም ፀላእትኻውን ክጠፍኡ እዮም። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍራስካ ኻብ ማእኸልካ ኸጥፍእ፥ ንሰረገላታትካውን ክሰባብሮ እየ። ንኸተማታት ምድርኻ ኸጥፍአን፥ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ኸፍርሶ እየ። ጥንቈላኻ ኻብ ኢድካ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ጠንቈልቲ ኣይህልዉኻን እዮም። ነቲ ፅሩብ ምስልታትካን ሓወልቲታትካን ካብ ማእኸልካ ኸጥፍኣ እየ። ድሕሪዙይውን ነቲ ስራሕ ኣእዳውካ ኣይትሰግድን ኢኻ። ንመምለኺ ዓፀዳትካ ካብ ማእኸልካ ኽነቕሎ፥ ንኸተማታትካ ኸዓ ኸዕንወን እየ። ነቶም ዘይሰምዑ ኣህዛብ ከዓ ብቝጥዓን ብመዓትን ሕነ ኽፈዲ እየ።” እቲ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ እምባታት ተፋረድ፤ ንኾረብታታት ከዓ ድምፅኻ ኣስምዓዮም ዝበሎ ስምዑ።” እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፤ ምስ እስራኤልውን ሙግት ኣለዎ እሞ፥ ኣቱም እምባታት፥ ንስኻትኩምውን ኣቱም ፅኑዓት መሰረት ምድሪ፥ ክርክር እግዚኣብሄር ስምዑ። “ኣታ ህዝበይ፥ እንታይ ገይረካ እየ? ብምንታይከ ኣድከምኩኻ? እስኪ መስክረለይ። ኣነ ኻብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኹኻ፤ ካብ ቤት ባርነትውን ኣድሓንኩኻ፤ ቀቅድሜኻውን ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን ሰደድኩልካ። ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።” ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽቐርብ? ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ? ዝቃፀል መስዋእትን ምራኽ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመፅእ? ብኣሽሓት ማጓሉን ብኣእላፋት ወሓይዝ ዘይትንዶ እግዚኣብሄር ደስ ይብሎ እዩ? ኽንዲ በደለይ በዅሪ ወደይ፥ ክንዲ ሓጢኣተይ ከዓ ፍረ ኸርሰይዶ ኽህብ እየ? ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን? ስምካ ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይፅውዓ። “ንበትሩ ዘክሩ፤ በትሪ መቕሰፍቲ ሕሰቡ፤ ንእኡ ዘዳለዎውን መን ምዃኑ ፍለጡ። ብሓቂ ኣብ ቤት ሓጥእ፥ እቲ መዝገብ ሓጢኣትን፥ እቲ ፅዩፍ ናይ ሓሶት መስፈሪን ገና ይህሉዶ ይኾን? ኣነዶ ብሚዛን ረሲዕነትን፥ በቲ ኸረጢት ጠባሪ መመዘንን፥ ንፁህ ክኸውን እየ። እቶም ሃብታማታ ግፍዒ ዝመልኡ እዮም፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ሓሰውቲ እዮም፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም መታለሊት እያ። ስለዙይ ኣነ ኸዓ ብሕማም ቍስሊ ወቓዕኹኻ፤ ካብ ሓጢኣትካ ዝተልዓለ ድማ ኣፈራረስኩኻ። ክትበልዕ ኢኻ፤ ግናኸ ኣይትፀግብን፤ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ክኸውን እዩ። ክትሕዝ ኢኻ፤ ግናኸ ኣይተድሕንን፤ ነቲ ዘድሐንካዮውን ንሰይፊ ኽህቦ እየ። ክትዘርእ ኢኻ፤ ግና ኣይትዓፅድን፤ ፍረ ኣውሊዕ ክትፀምቝ፥ ግና ዘይቱ ኣይትቕባእን ኢኻ፤ ዀልዒ ወይኒ ኽትፀምቝ ኢኻ፤ ግና ወይኒ ኣይትሰትን። ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።” ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን። ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ። ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን። እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፥ እታ መዓልቲ መዓትካ መፂኣ እያ፤ ሕዚ ኽሽበሩ እዮም። ንብፃይካ ኣይትእመኖ፥ ብዓርክኻ ድማ ኣይትተኣመን፤ ካብ ኣብ ሕቍፍኻ እትድቅስ ናይ ኣፍካ ደገ ሓሉ። ንሰብ ፀላእቱ ቤተሰቡ እዮምሞ፥ ወዲ ነቦኡ ኽንዕቕ እዩ፤ ጓል ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ መርዓት ከዓ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ኽትለዓል እያ። ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፥ ናብ ኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ክሰምዐኒ እዩ። ኣቲ ፀላኢተይ፥ እንተ ወደቕኩ ኽትስእ፥ ኣብ ፀልማት እንተ ተቐመጥኩውን እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፥ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ። ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፥ ንሱ ኽሳዕ ዝማጐተለይ፥ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውፅአለይ፥ ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ። ሽዑ እታ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” ዝበለት ፀላኢተይ ክትሪኦን፥ ሕፍረትውን ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክሪኣኣ እየን፤ ሕዚ ኸም ጭቃ መንገዲ ኽትርገፅ እያ። እታ መካበቢያኺ እትስርሐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ወሰንኪ ኽሰፍሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ከተማታት ግብፅን፥ ካብ ግብፂ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስን፥ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ እምባታት ክሳዕ እምባታት፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም። እታ ምድሪ ግና ብሰንኪ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ብሰንኪ ፍረ ግብሮም ክትባድም እያ። ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም። ከምቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፃእኻለን ዘመን፥ ተኣምራት ከርእዮም እየ። ኣህዛብ ክሪኡ፥ ብኹሉ ሓይሎምውን ክሓፍሩ እዮም፤ ኢዶም ኣብ ኣፎም ክገብሩ እዮም። ኣእዛኖምውን ክፀሙ እዮም። ከም ተመን ሓመድ ክልሕሱ፥ ከም ለመምታ ምድሪ እናኣንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ክወፁ፥ ብፍርሒ ራዕራዕ እናበሉ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽመፁ እዮም፤ ንኣኻውን ክፈርሑ እዮም። ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። ተመሊሱ ኽርህርሀልና፥ ንበደልናውን ኣብ ትሕቲ እግሩ ኽረግፆ፥ ንዅሉ ሓጢኣትናውን ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ። ከምቲ ኻብ ጥንቲ ዘመን ጀሚርካ፥ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ሓቂ ንያእቆብ፥ ምሕረት ከዓ ንኣብርሃም ክትገብር ኢኻ። እዝ መፅሓፍ እዙይ እቲ ኣልቆሻዊ ናሆም ስለ ነነዌ ዝረኣዮ ራእይ ዝገልፅ እዩ። ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ። ደመናውን በነንታ እግሩ እዩ። ዕምበባ ሊባኖስውን ረገፈ። ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ። ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ። ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ። ንፀላእቱውን ናብ ፀልማት ከሳጕጎም እዩ። መከራውን መሊሱ ኣይለዓልን። ከም ንቑፅ ሓሰር፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም። ክፉእ ዝመክርን ካባኻ ወፀ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓትን እንተ ኾኑ፥ ክቝረፁ እዮም፤ ንሱውን ክውዳእ እዩ፤ ኣነ ኣጨኒቐካ ነይረ፥ ድሕሪ ደጊም ግና ኣየጨንቐካን እየ። ሕዚ ድማ ነቲ ኣርዑቱ፥ ካባኻ ኽሰብሮ እየ፤ ንእስራትካ ኸዓ ኽበታትኾ እየ።” እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ እዩ፦ “ስም ዘፀውዕ ትውልዲ ኣይህልወካን እዩ፤ ኣነ ነቶም ዝተቐረፁ ምስልታትን፥ መኺኾም ንዝተሰርሑ ጣዖታትን፥ ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኽድምስሶም እየ። ንስኻ ዝተጠቓዕኻ ኢኻሞ መቓብርካ ኽዅዕት እየ።” ሕቘኻ ኣፅንዕ፤ ንሓይልኻውን የመና ኣበርትዓዮ። ንኽብሪ ያእቆብውን እግዚኣብሄር ክምልሶ እዩ። እቲ ዛብያታትውን የምበጥብጥ። ከም መባርቕቲ ድማ ይበርራ። መዕቈቢውን ተዳለወ። ቤተ መንግስቲ እቲ ንጉስ ድማ መኸኸ። ከም ድምፂ ርግቢ ዋይ ዋይ ይብላ ኣለዋ። ዝተመለሰ ግና የለን። ብሩር ዝመቱ፤ ወርቅውን ውረሩ። ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ። ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣላ? ንጕድጓዱ ኸዓ ብዝዘረፎ መልአ። ድምፂ ልኡኻትክውን ካብ ደጊም ኣይስማዕን።” ከትሪውን ካብኣ ኣይርሕቕን። ምግላብ ኣፍራስን ድምፂ ዝጐያ ሰረገላታትን ይስማዕ ኣሎ። ማእለያውን የብሉን፤ ብሬሳኣቶም ከዓ ይዕንቀፉ። ብጥንቁልናኣ ድማ ንወገናት ዝሸጠት እያ። ንኣህዛብ ዕርቃንኪ፥ ንመንግስታት ከዓ ሕፍረትኪ ኸርእዮም እየ። ክንዕቐኪ እየ፤ መላገፂውን ክገብረኪ እየ። ዘፀናንዕዋኸ ኻበይ ክንደልየላ ኢና” ኽብሉ እዮም። ንስኺ ኻብታ ኣብ መንጎ ሩባታት ዝተቐመጠት፥ ማይ ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዝነበረ፥ መከባብያኣ ኸዓ ባሕሪ ኻብ ዝኾነ ኻብ ኖእ ኣሞንዶ ኢትዮጵያን ግብፅን ዘይቍፀራ ሓይላ ነበራ፤ ፉጥን ሊብያንውን ሓገዝታ ነበራ። ግናኸ ንሳ ተማሪኻ ፈለሰት፤ ህፃናታ ድማ ኣብ ኵሉ መንገድታት ተጨፍለቑ። ኣብ ልዕሊ ኽቡራት ሰባታ ዕፃ ኣውደቑሎም፤ ኵሎም ዓበይታውን ብሰንሰለት ተኣሰሩ። ንስኺ ድማ ኽትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትዋረዲ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ድማ ኢኺ፤ ካብ ፀላኢ እትሃድምሉ ዕሩድ ቦታውን ኽትደልዪ ኢኺ። ኵሉ ዕርድታትኪ፥ ከም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፤ ነቲ ኦም ነነው እንተ ኣበልካዮ፥ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ። እንሆ፥ እቶም ኣብ ማእኸልኪ ዘለዉ ህዝብኺ ኣንስቲ ኮኑ። እተን ደገታት ሃገርኪ፥ ንፀላእትኺ ኽፉታት እየን፤ ነቲ መሀርሀሪታት ኣፍ ደገታትኪ ሓዊ በልዖ። ክትክበቢ ኢኺ እሞ፥ ማይ ቅድሒ፤ ዕርድኺ ኣፅንዒ፤ ናብ ጭቃ ኣቲኺ ርገፂ፤ ጡብ ክትሰርሒ ተዳለዊ። ኣብኡ ሓዊ ኽበልዐኪ፥ ሰይፊ እውን ከጥፍአኪ እዩ። ከም ኵብኵብታ ኽበልዐኪ እዩ። ከም ኩብኵብታ ብዝሒ፥ ከም ኣንበጣውን ፍረዪ። ንነጋዶኺ ኻብ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኽዮም። ኵብኩብታ ፋሕ ይብል፤ በሪሩውን ይኸይድ። እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዘውዲ ዝደፍኡ ኸም ኣንበጣ፥ እቶም ኣሕሉቕኪ ድማ፥ ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ሓፁር ዝሰፍር ዕስለ ዅብኩብታ እዮም። ፀሓይ ምስ በረቐት ይሃድሙ፤ ኣበይ ከም ዘለዉ ድማ ኣይፍለጥን እዩ። ኦ ንጉስ ኣሶር፥ ሓለውትኻ ደቂሶም እዮም፤ መኳንንትኻውን ዓሪፎም እዮም፤ ህዝብኻውን ኣብ እምባታት ፋሕ በሉ፤ ዝእክቦም ድማ የለን። ስለዙይ ስብራትካ ፈውሲ የብሉን፤ ቍስልኻውን ዝኸፍአ እዩ። ኵሎም እቶም ወረኻ ዝሰምዑ፥ ብሓጐስ ኣእዳዎም የጣቕዑ፤ ኵልሻዕ ክፍኣትካ ዘይበፅሖ መን ኣሎ? ነቢይ እንባቆም ዝረኣዮ ፆር እዙይ እዩ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ እንተእዊ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሰምዐኒ? “ግፍዒ በዝሐ” ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ኣየድሓንካን። ስለ ምንታይ በደል ኣርአኻኒ? ንስኻኸ ስለ ምንታይ ዓመፅ እትምልከት? ጥፍኣትን ግፍዕን ኣብ ቅድመይ እዩ። ባእስን ክርክርን ከዓ ይለዓል ኣሎ። ስለዙይ ሕጊ ላሕለሐ፤ ፍትሒውን ኣሰኒፉ ኣይወፀን። ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፥ ፍርዲ ቀይኒኑ ይወፅእ ኣሎ። እንሆ፥ ዘይናቶም መንበሪ ኽወርሱ፥ ኣብ ስፍሓት ምድሪ ዝኸዱ፥ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተስእ እየ። ንሳቶም ዘፍርሑን ዘደንግፁን እዮም፤ ፍርዶምን ክብረቶምን ካብኣቶም ይወፅእ። “ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፤ ካብ ተዅላ ምሸትውን ይጭክኑ። ፈረሰኛታቶም ቀልጢፎም ይጋልቡ፤ ካብ ርሑቕ ስፍራውን ይመፁ። ከምቲ ነጢቁ ንምብላዕ ዝሃፅፅ ንስሪ ይነፍሩ። “ኵላቶም ክዕምፁ ይመፁ፤ ገፆምውን ከም ንፋስ ምብራቕ የቕንዑ። ምሩኻት ከዓ ኸም ሑፃ ይእክቡ። ንነገስታት የላግፁሎም፤ ንመሳፍንቲ ኸዓ መስሓቒ ይገብርዎም። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቑ፤ ነቲ ሓመድውን ኰሚሮም ይወስድዎ። ሽዑ ኸም ንፋስ ሓሊፉ ይኸይድ፤ ይብድልውን፤ ንሓይሉውን ከም ኣምላኽ ይገብሮ።” ኦ ቅዱስ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ጀሚሩ ዘለኻዶ ኣይኮንካን? ንሕና ኣይንመውትን፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንፍርዲ ኣንበርካዮ፤ ኦ ኸውሐይ ንተግሳፅውን ገበርካዮ። ኣዒንትኻ ኽፉእ ከይሪኣ የመና ፅሩያት እየን፤ ንሓጢኣት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን። ነቶም መታለልቲኸ፥ ስለ ምንታይ ስቕ ኢልካ እትጥምቶም? ስለ ምንታይከ እቲ ሓጥእ፥ ነቲ ኻብኡ ዝፀድቕ እንትውሕጦ ስቕ እትብል? ስለ ምንታይከ ንሰባት፥ ከምቶም ዓሳ ባሕርን፥ ከምቶም ገዛኢ ዘይብሎም ለመምታን እትገብሮም? ንዅላቶም ብመቝለብ የውፅኦም፤ ብመርበብውን ይሕዞም፤ ብመፃወዲኡ ድማ ይእክቦም፤ በዙይውን ተሓጒሱ ዕልል ይብል። ዕድሉ ብኣኣቶም ሰቢሓ እያሞ፥ ምግቡውን በዚሓ እያሞ፥ ንመርበቡ ይስውእ፤ ንመግፈፊኡውን ይዓጥን። ስለዙይ መርበቡ ኽድርቢ ድዩ? ዅልሻዕኸ ንህዝብታት ክቐትል ኣይርህርህንዶ? እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝዛረበንን፥ ብዛዕባ እቲ ኽትዐይ ከዓ፥ እንታይ ከም ዝምልሰሉን ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ኣብቲ መሐለውየይ ደው ክብል፥ ኣብ ልዕሊ እምባውን ክድይብ እየ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰለይ፦ “እቲ ዘንብቦ ምእንቲ ኽቕልጥፍ፥ ነቲ ራእይ ፀሓፎ፤ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረፆ። እቲ ራእይ ገና ንውሱን ጊዜ እዩ፤ ናብ ፍፃመኡውን ይቕልጥፍ ኣሎ፤ ኣይሕሱን ከዓ እዩ። እንተ ደንጐየውን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ እሞ፥ እንተ ደንጐየ እኳ ተፀበዮ።” እንሆ ነፍሱ ተዓብያ እያ፤ ኣብ ውሽጡውን ቅንዕቲ ኣይኮነትን፤ ፃድቕ ግና ብእምነቱ ብህይወት ይነብር። ንሱ መታለልን ኵሩዕን ሰብ እዩ፤ ኣብ ስፍራኡውን ኣይቕመጥን፤ ስስዐኡ ኸም ሲኦል የግፍሕ፤ ከም ሞትውን ኣይፀግብን። ንዅላቶም ኣህዛብ ናብ ባዕሉ ይእክቦም፤ ንዅሎም ህዝብታትውን ናብ ባዕሉ ይእክቦም። እዚኣቶም ኵላቶም ነቲ ዘይናቱ ንባዕሉ ዝእክብ፥ መትሓጃውን ንባዕሉ ዘብዝሕ ወይለኡ! ኽሳዕ መኣዝከ እዩ? እናበሉ ምስላ ኣይምስሉሉንዶ? ተረትከ ኣይትርቱሉንዶ? እቶም ዝነኽሱኻ ድንገትዶ ኣይለዓሉኻን? እቶም ዘጨንቑኻ ኽነቕሑ እዮም፤ ነኣኣቶምውን ዘመተኦም ክትከውን ኢኻ። ንደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ በታ ምድርን በታ ኸተማን ብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኵላቶምን፥ ስለ ዝፈፀምካዮ ግፍዒ፥ ንስኻ ንብዙሓት ኣህዛብ ዘሚትካ ኢኻሞ፥ ኵሎም እቶም ካብ ኣህዛብ ዝተረፉ ክዘምቱኻ እዮም። ካብ ክፉእ ንኽድሕን፥ ንቤቱ ኣብ በሪኽ ቦታ ንኽገብር፥ ንገዛኡ ዘይግባእ ትርፊ ንዝእክብ ወይለኡ! ንብዙሓት ህዝብታት ኣጥፊእኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ገዛኻ ውርደት መኸርካ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍስኻውን ሓጢኣት ገበርካ። እምኒውን ካብ ውሽጢ መንደቕ ከእዊ፥ ዕንፀይትውን ካብ ውሽጢ ውቕሮ ኽምልሰሉ እዩ። ንኸተማ ብደም ምፍሳስ ንዝሰርሕ ንሃገር ከዓ ብሓጢኣት ንዝምስርታ ወይለኡ! እንሆ ህዝብታት ስለ ሓዊ ንኽፅዕሩ፥ ኣህዛብውን ንኸንቱ ንኽደኽሙ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነዶ ኣይኮነን? ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዝኸድኖ፥ ምድሪ እውን ክብሪ እግዚኣብሄር ብምፍላጥ ክትመልእ እያ። ሕፍረተ ስጋኡ ንምርኣይ፥ ንብፃዩ መስተ ዘስቲ፥ ክፉእውን ዝውስኸሉ፥ ንዘስክሮውን ወይለኡ! ክንዲ ኽብሪ፥ ሕፍረት መሊኡካ ኣሎ፤ ንስኻውን ሰቲኻ ሰንደልደል በል፤ እቲ ፅዋዕ የማን እግዚኣብሄር ክምለሰካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻውን ሕፍረት ክኸውን እዩ። ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዝፈፀምካዮ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝሰራሕኻዮ ግፍዒ፥ ክኸድነካ እዩ፤ ሓደጋ ኣራዊትውን ከደንግፀካ እዩ። እቲ ቐራፂ ዝቐርፆ ቕሩፅ ምስሊ፥ ንምንታይ ይጠቅም? እቲ ሰራሒ፥ በሃም ጣዖት ገይሩ ብዝሰርሖ ዝእመንከ፥ እቲ መኺኹ ዝተሰርሐ፥ ሓሰት ዝምህር ምስሊኸ እንታይ ይጠቅም? እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን። እግዚኣብሄር ግና፥ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ኣሎ፤ ኵላ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል። ናይ ነቢይ እንባቆም ፀሎት ብመዝሙር። ኣብ ጊዜ ቝጥዓ፥ ምሕረት ዘክር። ምስጋናኡ ድማ ንምድሪ መልኣ። ሓይሉውን ኣብኡ ተሓብአ። ሃልሃልታ ሓዊ ድማ ኻብ እግሩ ይወፅእ። መንገዱ ኸዓ ኻብ ዘለኣለም እዩ። መጋረጃታት ምድሪ ምድያም ከዓ ኣንቀጥቀጡ። በፍራስካን ብምድሓን ሰረገላታትካን ተቐሚጥካ ኢኻሞ። ንምድሪ ሰንጢቕካ ሩባታት ኣውፃእኻ። ኢዱ ኸዓ ንላዕሊ ኣልዓለ። ፀሓይን ወርሕን ኣብ ዘዘለዋኦ ቖማ። ንኣህዛብውን ብቝጥዓኻ ኣኼድካዮም። ርእሲ ቤት እቲ ሓጥእ ቀጥቀጥካ። ብስውር ምውሓጥ ደስታኦም እዩ። ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ኣርገፅካ። ንመዓልቲ መከራ ሃዲአ እፅበ ኣለኹ። ከፍትውን ኣብ ደምቤታት እንተ ተስኣና፥ ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ። ኣብቲ በሪኽ ቦታውን ከም ዝኸይድ ይገብረኒ። “ኣነ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከጥፍኦ እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ንሰብን እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ከጥፍኦም እየ፤ ንመዐንቀፊታት ምስቶም ክፉኣት ከጥፍኦም እየ፤ ንደቂ ሰብውን፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ ካብዝ ቦታ እዙይ፥ ንተረፍ ጣዖት በዓል፥ ንስም እቶም ካህናት ጣዖታት፥ ምስቶም ካህናት ከጥፍኦም እየ። ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ደዪቦም፥ ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱ ኸጥፍኦም እየ። ነቶም ንእግዚኣብሄር እናሰገዱን፥ ብስመይ እናመሓሉን፥ ተመሊሶም ከዓ ብስም ጣዖት ሚልኮም ንዝምሕሉ ኸጥፍኦም እየ። ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።” መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያሞ፤ እግዚኣብሄርውን መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ፥ ነቶም ዕዱማቱ ኸዓ ቀዲስዎም እዩሞ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ስቕ በሉ። “በታ መዓልቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር፥ ኣነ ንዅሎም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዝኽደኑን ክቐፅዖም እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሎም ጣዖት ዘምልኹን፥ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመፅን ብጥበራን ንዝመልእዋ ኽቐፅዖም እየ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ይብል እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ብወገን ኣፍ ደገ ዓሳ፥ ድምፂ ብኽያት ክስማዕ እዩ። ካብቲ ኻልኣይ ደገ ኸዓ ኣውያት ክስማዕ እዩ፤ ካብቲ እምባታት ድማ ድዋዕዋዕ እናበለ ናይ ዝወድቕ ነገር ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ኵሉ ህዝቢ ከነዓን ጠፊኡ፥ እቶም ብሩር ዝተሸከሙ ጠፊኦም እዮም እሞ፥ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ ብኸዩ። “በቲ ዘመን እቱይ ንኢየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽምርምራ እየ፤ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን፥ ብልቦም፥ ‘እግዚኣብሄርስ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይገብርን እዩ’ ንዝብሉ ሰባት ክቐፅዖም እየ። ሃብቶም ክዝመት፥ ኣባይቶም ክዓንዉ እዮም፤ ኣባይቲ ይሰርሑ፥ ግናኸ ኣይነብርዎን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ይተኽሉ፥ ግና ወይኑ ኣይሰትዩን እዮም።” እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፤ የመናውን ቀልጢፋ ኣላ። ድምፂ እታ መዓልቲ እቲኣ መራር እያ፤ ሽዑ ጅግና እኳ ኣምሪሩ ኸእዊ እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፥ መዓልቲ ፀበባን መከራን፥ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፥ መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን ክትከውን እያ። ንተን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ነዋሕቲ ግምብታትን፥ መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ። “ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ሰሪሖም እዮምሞ፥ ከም ዕውር ክሳዕ ዝኸዱ ንሰባት ከጨንቖም እየ፤ ደሞም ከም ማይ ክፈስስ፥ ስጋኦም ከዓ ኸም ጐሓፍ ክጐሓፍ እዩ።” ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንሱ ኸዓ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቐልጢፉ ኽውድኦም እዩ፤ ግናኸ ዅላ እታ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትነድድ እያ። ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፥ እቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እንተይወፀ፥ እቲ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ እንተይሓለፈ፥ እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር እንተይመፀኩም፥ እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተየርከበትኩም፥ ተኣከቡ። ኣቱም ፍርዱ እትሕልዉ፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ኵላትኩም ትሑታት፥ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ። ምናልባሽ በታ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ዝገልፀላ መዓልቲ እንተ ተሓባእኹምስ፥ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፤ ትሕትናውን ድለዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ንርእስኹም ኣዋርዱ። ጋዛ ኽትብዝበዝ እያ፤ ኣስቃሎንውን ክትባድም እያ። ንኣዛጦን ከዓ ብቐትሪ ናብ ወፃኢ ኽሰጕዋ እዮም፤ ኣስቀሎና ድማ ኽትንቀል እያ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝነብሩ ከሊታውያን፥ ወይለኦም! ኦ ከነዓን ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ፤ ዝነብረካ ሰብ ክሳዕ ዘይርከብ ድማ ኸጥፍአካ እየ። ቀርጤስውን መንበሪ ጓሶትን፥ ደምበ መጓሰን ክኸውን እዩ። እቲ ገማግም ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክምልከቶም፥ ምርኮኣቶምውን ክምልሰሎም እዩሞ፥ ኣብኡ ኽጓስዩ እዮም፤ ምሸት ከዓ ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ክድቅሱ እዮም። “ኣነ፥ እቲ ህዝቢ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ንህዝበይ ብዛዕባ ርስቶም እናተዓበዩ ዘላግፁሎምን ዝፀርፍዎምን ፀርፊ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየሞ፥ ብርግፅ ሞኣብ ከም ሰዶም፥ ደቂ ኣሞንውን ከም ገሞራ፥ ምድሮምውን ዓውሊ ዝወረሶን፥ ጕድጓድ ጨውን፥ ንዘለኣለም ዝዓነወን ክኸውን እዩ። እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ህዝበይ ክዘምትዎም፥ ሓድጊ ህዝበይውን ክወርስዎም እዮም።” ንህዝቢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣላጊፆምሉን፥ ተዓብዮምሉን እዮም እሞ፥ እዙይ ብሰንኪ ትዕቢቶም ክወርዶም እዩ። እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም። ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ክዝርግሕ እዩ እሞ፥ ንኣሶር ከጥፍኣ እዩ። ንነነዌ ድማ ኸባድማን፥ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ክገብራን እዩ። ንሳ ናይ ኵሎም ኣህዛብ እንስሳ ዝዔማላ ስፍራ ኽትከውን እያ። ኣባ ጕምባሕን ቅንፍዝን ኣብቲ ዝፈረሰ ጕልላታ ኽሓድሩ እዮም፤ ድምፆም ከዓ ኻብቲ መሳዅታ ኽስማዕ እዩ። ኳዃት ኣብ ልዳውታ ኾይኖም ከድምፁ እዮም፤ እቲ ብፅሕዲ ሊባኖስ ዝተሰርሐ ስርሓት ድማ ኽቕላዕ እዩ። ነታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸዓ “ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ሓደ እኳ የለን” እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ፤ ክንድዙይ ዝባደመትን መሕደሪ ኣራዊትን ከመይ ኮነት! ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ኢዱ እናዋጣወጠ ይፋፅየላ። ነታ ዓላዊትን ርኽስትን፥ እትገፍዕን ከተማ፥ ወይለኣ! ንድምፂ ኣይሰምዐትን፤ ተግሳፅውን ኣይተቐበለትን፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ኣይተኣመነትን፤ ናብ ኣምላኻውን ኣይቀረበትን። ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኣሕሉቓ ከም ዝጓዝሙ ኣናብስ እዮም፤ ፈራዶኣውን፥ ንንግሆ ሓደ እኳ ኸም ዘየትርፉ ጥሙያት ተዃሉ ምሸት እዮም። ነቢያታ ቐለልትን ተንኰለኛታትን እዮም። ካህናታ ንመቕደስ የርክስዎ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ግፍዒ ፈፂሞም እዮም። ኣብ ማእኸላ ዘሎ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ፤ ክፉእውን ኣይገብርን፤ ንግሆ ንግሆ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውፅእ፥ ተሓቢኡውን ኣይተርፍን እዩ፤ እቲ ዓማፂ ግና ኣይሓንኽን። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ንኣህዛብ ኣፅነትክዎም፤ ንግምብታቶም ድማ ኣዕነኹወን፤ ንመንገድታቶምውን፥ ሓደ እኳ ኸይሓልፈን ኣባደምክወን። ከተማታቶም ከዓ ዝነብረን ዘይብለን ኮይነን ዓነዋ። ኣነ ድማ ደጊምስ ከኽብሩንን ተግሳፀይ ክቕበሉን፥ ምእንቲ መንበሪኦም ከይጠፍእ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩዎምውን ኣይርስዑን እዮም ኢለ ነይረ፤ ንሳቶም ግና ኣንጊሆም ግብሮም ኣርከሱ።” “መዓተይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፥ ንኣህዛብ ክእክቦም፥ ንመንግስታት ከዓ ንምትእኽኻብ ፍርደይ እዩ እሞ፥ ክሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተፀበዩኒ፤ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትነድድ እያሞ” ይብል እግዚኣብሄር። “በታ እዋን እቲኣ፥ ኵሎም ኣህዛብ ብሓባር ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግልዎን፥ ስሙውን ምእንቲ ኽፅውዑን፥ ንፁህ ልሳን ክህቦም እየ። እቶም ፋሕ ዝበሉ ናባይ ዝምህለሉ ደቀይ፥ ካብ ክንየው ሩባታት ኢትዮጵያ እንተይተረፈ መባእ ከምፅኡለይ እዮም። በታ እዋን እቲኣ፥ ኣነ ነቶም ዕቡያት ካብ ማእኸልኪ ኸውፅኦም እየሞ፥ ንስኺውን ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣባይ ኣይትዕበዪን ኢኺ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይትሓፍሪን ኢኺ። ኣብ ማእኸልኪ የዋህን ትሑትን ህዝቢ ኸትርፍ እየ፤ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ክእመኑ እዮም። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።” ደስ ከዓ ይበልኪ። ድሕሪዙይ ዝኾነ ኽፉእ ነገር ኣይትርእዪን። ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ። ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፥ ክበሃል እዩ። ፀርፊ ኸም ፆር ከቢድዎም ነይሩ። ኣብቲ ዅሉ ዝሓፈሩሉ ምድሪ፥ ንምስጋናን ንዝኸበረ ስምን ክገብሮም እየ። ንዝኸበረ ስምን ንምስጋናን ክገብረኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ‘ቤት እግዚኣብሄር ዝስርሐሉ እዋን ኣይበፅሐን’ ይብሉ ኣለዉ” በለ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነቢይ ሓጌ መፀ፦ “እዝ ቤት እዙይ ዓንዩ እንተሎስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ዝተሸለመ ኣባይቲ ኽትነብሩዶ ጊዜኡ እዩ? እምበኣር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንመንገድኹም እስኪ ብልብኹም ኣስተውዕልዎ? ብዙሕ ዘራእኹም፥ ግና ውሑድ ኣእተኹም። በላዕኹም፥ ግና ኣይፀገብኩምን፤ ሰተኹም፥ ግና ኣይረወኹምን፤ ተኸደንኩም፥ ግና ኣይሞቘኩምን፤ ደሞወዝ ተቐበልኩም ግና ኣብ ቀዳድ ከረጢት ከም ምቕማጥ እዩ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስኪ መንገድኹም ኣስተውዕሉ? ናብ እምባታት ደይቡ፤ ዕንፀይቲ ኣምፅኡ፤ ነቲ ቤትውን ስርሕዎ። ኣነ ብእኡ ኽሕጐስ እየ፤ ክምስገነሉውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። “ንስኻትኩም ብዙሕ ተፀበኹም፤ እንሆ ኸዓ ውሑድ ኣእተኹም። ናብ ቤት ምስ ኣእተኹምዎ ኸዓ፥ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። እዙይ ስለ ምንታይ እዩ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ገገዛኹም እናጐየኹም፥ ቤተይ ዑና ኾይኑ ስለ ዝተረፈ እዩ። ብሰንኪ እዙይ እውን ሰማይ ኣውሊ ኸልከለ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ኸልአት። ኣነውን ኣብ ልዕሊ ንዅሉ ምድርን ኣብ ልዕሊ እምባታትን፥ ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን፥ ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩምን ድርቂ ፀዋዕኹ።” ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ዝተመለሱ ህዝቢ ዅላቶምን፥ ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነቢይ ሓጌን ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሑ። ሽዑ ሓጌ እቲ ልኡኽ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ፥ በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር “ኣነ ምሳኻትኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኢሉ ተናገረ። እግዚኣብሄር ከዓ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንመንፈስ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ንመንፈስ እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣለዓዓለ። ንሳቶም ድማ መፂኦም፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስራሕ ጀመሩ። እዙይ ዝኾነውን ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ካልኣይ ዓመት፥ ብሻድሻይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ነበረ። ብሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብመበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ፥ ብነቢይ ሓጌ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦ ንዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ በቲ ቐዳማይ ክብረቱ ዝረአዮ፥ ካባኻትኩም ዝተረፈ መን ኣሎ? ሕዚኸ ኸመይ ኮይኑ ትሪእዎ ኣለኹም? ኣብ ኣዒንትኹም ከም ዘየለዶ ኣይኮነን? ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ዘሩባቤል፥ ፅናዕ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅውን ፅናዕ፤ ኵልኻትኩም ህዝቢ እታ ሃገርውን ፅንዑ፤ ስርሑውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ። ንዅላቶም ኣህዛብ ከናውፅ እየ፤ ንዅላቶም ኣህዛብ ዝተመረፀ ኽቡር ነገር ድማ ኽመፅእ እዩ፤ ነዝ ቤት እዙይ ከዓ ብኽብሪ ኽመልኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። እቲ ብሩር ናተይ እዩ፤ እቲ ወርቂውን ናተይ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ክብሪ እዝ ቤት እዙይ ክበልፅ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።” ብዳርዮስ ብኻልኣይ ዓመት፥ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብነቢይ ሓጌ መፀ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ ዝተቐደሰ ስጋ እንተ ቛፀረ፥ በዛ ዘፈር ክዳኑ ከዓ እንጀራ ወይ ፀብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ምግቢ እንተ ነኽአ፥ እቲ ዝተነኽአ በዙይዶ ይቕደስ እዩ? ኢልካ፥ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት ጠይቆም” በሎ። እቶም ካህናት ከዓ “ኣይፋሉን” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ሓጌ “እዝ ህዝብን እዝ ወገን እዙይን ኣብ ቅድመይ ከምኡ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኵሉ ስራሕ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፤ እቲ ንኣይ ኣብኡ ዘቕርቡለይውን ርኹስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። “እምበኣር ካብ ሎሚ ጀሚርኩም፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ቅድሚ ምንብባሩ ዝነበረ ዅነታት ኣስተውዕሉ። ሓደ ሰብ ዕስራ መስፈሪ ናብ ዝርከቦ ምህርቲ እኽሊ ምስ መፀ፥ ዓሰርተ መስፈሪ ጥራሕ ረኸበ፤ ሓምሳ ዕትሮ ወይኒ ንምቕዳሕ ናብ መፅመቚ እንተ ኸደ፥ ዝተረኽበ ዕስራ ጥራሕ እዩ። ንዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብሕሞድያን ብበረድን ወቓዕክዎ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ካብ ሎሚ ታሽዓይ ወርሒ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ጀሚሩ፥ መሰረት ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝተመስረተሉ ዘሎ ዘመን ኣስተውዕሉ። እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ? ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውሊዕን፥ ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን፤ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ግና ኽባርኸኩም እየ።” ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ሓጌ መፀ። “ንዘሩባቤል ገዛኢ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኣነ ሰማይን ምድርን ከናውፅ እየ፤ ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ። ኦ ባርያይ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኽወስደካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ሓርየካ እየ እሞ፥ ከም ቀለበት ማሕተም ክገብረካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም የመና ተቘጢዑ ነበረ፤ ስለዙይ ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናባይ ተመለሱ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ “ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕዚ ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ? ነቢያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም? ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ። ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ በታ ሰባጥ ተባሂላ እትፅዋዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ወዲ ሃዶ ወዲ በራክዩ ናብ ነቢይ ዘካርያስ መፀ። እንሆ፥ ኣብ ሓመር ፈረስ ዝተቀመጠ ሓደ ሰብ ብራእይ ለይቲ ረአኹ። ንሱ ድማ ትሕት ኣብ ዝበለ ቦታ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ነበረ። ብድሕሪኡውን ሓመር፥ ግራጫ፥ ፀሊም፥ ኣምበላይ ዝኾኑ ኣፍራስ ነበሩ። ሽዑ ኣነ “ጐይታይ፥ እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልኩ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ። እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ፦ “እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኽመላለሱ እግዚኣብሄር ዝለኣኾም እዮም” ኢሉ መለሰ። ንሳቶምውን ነቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ዝነበረ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኣብ ኵላ ምድሪ ተመላለስና፤ እንሆ ኸዓ ዅላ ምድሪ ሃዲኣ ብሰላም ትነብር ኣላ” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነዘን ሰብዓ ዓመት ዝተቘጣዕኻየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን?” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፥ ብፅቡቕን ብዘፀናንዕን ቃል መለሰሉ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ በለኒ፦ ስበኽ፤ ከምዙይውን በል፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ኣነ ብኢየሩሳሌምን፥ ብፅዮንን ዓቢዪ ቕንኣት ቀኒአ ኣለኹ። ኣነ ቑሩብ ተቘጢዐ ነበርኩ፤ ንሳቶም ግና ንኽፍኣት ስለ ዝሓገዙ፥ በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣለኹ። ቤተይ ኣብኣ ኽስራሕ እዩ። ኢየሩሳሌም ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኽትህነፅ እያ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ መለክዒ ገመድ ክዝርጋሕ እዩ’ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኢልካ ስበኽ” በለኒ። እቲ መልኣኽ ከዓ ቐፂሉ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ከተማታተይ ገና ሰናይ ብዝኾነ ዅሉ ኽረውያ እየን፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኸተማ ፅዮን ገና ኸፀናንዓ እዩ፤ ንኢየሩሳሌምውን መሊሱ ኽሓርያ እዩ’ ይብል ኣሎ ኢልካውን ስበኽ” በለኒ። ኣዒንተይ ድማ ኣልዒለ፥ እንሆ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ረአኹ። ንሱ ድማ “እዚኣቶም ንይሁዳን ንእስራኤልን ንኢየሩሳሌምን ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም” ኢሉ መለሰለይ። መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣርባዕተ ፀረብቲ ኣርኣየኒ። ኣነ ድማ “እዚኣቶም እንታይ ክገብሩ መፁ?” በልኩ። ንሱ ኸዓ “እዚኣቶም ሓደ እኳ ርእሱ ኸየልዕል፥ ንይሁዳ ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም። እዚኣቶም ግና ኸፍርሕዎም፥ ንሃገር ይሁዳ ኽብትኑ ቀርኖም ንዘልዕሉ ኣህዛብውን ምእንቲ ኸውድቑ ዝመፁ እዮም” ኢሉ ተናገረኒ። መሊሰ ናብ ላዕሊ ጠመትኩ፤ እንሆ፥ ኣብ ኢዱ መለክዒ ገመድ ዝሓዘ ሰብኣይ ረአኹ። ኣነ ኸዓ “ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ?” ኢለ ጠየቕክዎ። ንሱ ድማ “ንውሓትን ስፍሓትን ኢየሩሳሌም ክንደይ ከም ዝኾነ ኽልክዕ፥ እኸይድ ኣለኹ” በለኒ። እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወፀ፤ ካልእ መልኣኽ ድማ ኽራኸቦ ወፀ። ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ጕየ፥ ነቲ ጐበዝ፥ ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ውሽጣ ኻብ ዘሎ ብዝሒ ሰብን ከፍትን ዝተልዓለ፥ ቅፅሪ ኸም ዘይብላ ኸተማ ኽትከውን እያ። ‘ኣነ ኣብ ዙርያኣ ቅፅሪ ሓዊ ክኾነላ፤ ኣብ ውሽጣውን ክብሪ ክኸውን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር።” “ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየሞ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሕዚ ግና ተስኡ! ተስኡ! ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ” ይብል እግዚኣብሄር። ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ፅዮን ኮብልሊ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድሕሪ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመትኹም ኣህዛብ ልኢኹኒ እዩ፤ ዝነኽአኩም ብሌን ዓይኑ ዝነክእ እዩሞ።” “እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ኢደይ ከልዕል እየ፤ ግዙኣቶም ዝነበሩ ኸዓ ኽዘምትዎም እዮም፤ ሽዑ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።” “ኦ ጓል ፅዮን፥ ኣነ መፂአ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየሞ፥ ዕልል በሊ ዘምሪ ደስውን ይበልኪ” ይብል እግዚኣብሄር። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክመፁ፥ ህዝቢ እውን ክኾኑኒ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየ፤ ንስኺውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ። እግዚኣብሄር ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ፥ ንይሁዳ ኸም ግደኡ ክወርሳ፥ ንኢየሩሳሌም ከዓ መሊሱ ኽሓርያ እዩ። እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚኡ ፀጥ ይበል። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ሰይጣን “ኣታ ሰይጣን፥ እግዚኣብሄር ይገስፅካ፤ እቲ ንኢየሩሳሌም ዝሓረያ እግዚኣብሄር ይገስፅካ፤ እዝ ሰብ እዙይ ካብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግዶ ኣይኮነን?” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ። ንሱውን ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ “ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣወግድዎ” በሎም። ንኢያሱ ድማ “ንእኡውን እንሆ፥ በደልካ ኣርሒቐልካ ኣለኹ፤ ዝበለፀ ኽዳውንቲ እውን ክኸድነካ እየ” በሎ። መሊሱ ድማ “ኣብ ርእሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጥሙሉ” በሎም። ንሳቶም ድማ ንኢያሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጠሙሉ፤ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጥቓኡ ቖይሙ ነበረ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ ኣሰምዐሉ፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመንገደይ እንተ ኼድካ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ሓሊኻ፥ ኣብ ቤተይ ክትፈርድ ኢኻ፤ ንኣደባባየይውን ክትሕሉ ኢኻ፤ ኣብዙይ ኣብ ማእኸል እዞም ቆይሞም ዘለዉ፥ ቦታ ኽህበካ እየ። እምበኣርከስ፥ ኣታ ዓብዪ ካህን ኢያሱ፥ ስማዕ፤ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዝቕመጡ ብፆትካውን፥ ንሳቶም ንምልክት ዝኾኑ ሰባት እዮም እሞ ይስምዑ፤ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ቈጥቋጥ ከውፅእ እየ። ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ዘንበርክዎ እምኒ እንሆ፤ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ሸውዓተ ኣዒንቲ ኣለዉዎ፤ እንሆ ነቲ ቅርፁ ኽቐርፅ እየ፤ ዓይኒ ኣለዎ፤ ሓንቲ እምኒ ኣብ ልዕሊኡውን ቅርፁ ኽቐርፅ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንበደል እታ ምድሪ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸወግዶ እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑ ኾይኑ ንብፃዩ ኽዕድም እዩ።” እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ተመሊሱ፥ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ እተበራብሮ ኣበራበረኒ። ኣነ ኸዓ “እንሆ ዅለንትናኡ ወርቂ ዝኾነ ቐዋሚ ቐንዲል ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊ ርእሱ፥ እንዳ ዘይትን ሸውዓተ መብራህትን ነበሮ። እተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከዓ ሸውዓተ ሸምበቆታት ነበረን። ኣብ ጥቓአን ድማ ኽልተ ኣእዋም ኣውሊዕ ነበራ፤ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፥ እታ ሓንቲውን ኣብ ፀጋሙ ነበራ” በልኩ። መሊሰ፥ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “ጐይታይ፥ እዚኣተን እንታይ እየን?” በልክዎ። ንሱ ኸዓ “እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ። መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣታ ዓብዪ እምባ፥ ንስኻ እንታይ ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል፥ ለጥ ዝበለ ሜዳ ኽትከውን ኢኻ፤ ሰባት ሞገስ ይኹነሉ ኢሎም እናድመፁ፥ ንሱ ነቲ መዛዘሚ እምኒ ኸውፅኦ እዩ” ኢሉ ተናገረኒ። ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ “ኣእዳው ዘሩባቤል፥ መሰረት እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ መስረታ፤ ዝፍፅማኦውን ኣእዳዉ እየን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒውን ክትፈልጡ ኢኹም። ንመዓልቲ ኣናእሽቲ ነገር ዝንዕቕ መን እዩ? ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ እንትሪኡ ክሕጐሱ እዮም፤ እዞም ሸውዓተ እዚኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ዝዘዋወሩ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዮም።” ደጊመውን “እቶም ኣብ ጥቓ እቶም ክልተ ሻምበቆታት ወርቂ፥ ዘይቲ ዘውሕዙ ኽልተ ጨናፍር ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ። ንሱ ኸዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ። ሽዑ ንሱ “እዚኣቶም ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዝቖሙ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለኒ። መሊሰውን ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ ረአኹ። ንሱ ድማ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ከዓ ዝወርዳ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ እርኢ ኣለኹ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ “እዙይ እቲ ኣብ ኵላ ገፅ ምድሪ ዝወፅእ መርገም እዩ፦ ኵሉ ዝሰርቕ፥ ብመጠን እቲ ኣብ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ኽድምሰስ እዩ፤ ብሓሰት ዝምሕል ከዓ፥ ከምቲ ኣብቲ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ክድምሰስ እዩ። ኣነ ኸውፅኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ኣነ ነዝ መርገም እዙይ ክሰዶ እየ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን፥ ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሰት ዝምሕልን ክኣቱ እዩ። ኣብ ቤቱውን ክነብር እዩ፤ ንእኡን ቤቱን ዕንፀይቱን እምኑን ከዓ ኸጥፍኦ እዩ።” እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ወፀ፤ “ኣዒንትኻ ኣልዕልሞ እዛ እትወፅእ ዘላ እንታይ ከም ዝኾነት ረአ” በለኒ። ኣነ ኸዓ “እንታይ እያ?” በልክዎ። ንሱ ድማ እዛ እትወፅእ ዘላ “መስፈሪ ኢፍ እንሆ ነቲ ናቱ መኽሊት ኣልዓልዎ። እንሆ ኣብ ውሽጢ እቲ መስፈሪ ኢፍ ከዓ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት። ንሱ ድማ “እዚኣ ኽፍኣት እያ” ኢሉ ናብ መስፈሪ ኢፍ መሊሱ ደርበያ። ነቲ መኽደን እቲ ዓረር፥ ድማ ናብ ኣፍ እቲ መስፈሪ ኢፍ ደርበዮ። መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዒለ ጠመትኩ፤ እንሆ ኽልተ ኣንስቲ ወፃ፤ ኣብ ኣኽናፈንውን ንፋስ ነበረ። ኣኽናፈን ከም ኣኽናፍ ራዛ ነበራ፤ ነቲ መስፈሪ ኢፍውን፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓላኦ። ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “ነዝ መስፈሪ ኢፍ፥ ናበይ እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ?” በልክዎ። ንሱ ኸዓ “ቤት ምእንቲ ኽሰርሓሉ ናብ ምድሪ ሰናዖር እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ። ምስተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኽነብር እዩ” በለኒ። መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ፥ ኣርባዕተ ሰረገላታት፥ ካብ መንጎ ኽልተ እምባታት ክወፁ እንተለዉ ድማ ረአኹ። እቶም እምባታት፥ እምባታት ነሃስ ነበሩ። ኣብቲ ቐዳማይ ሰረገላ ሃመራት ኣፍራስ፥ ኣብቲ ኻልኣይ ሰረገላ ኸዓ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ። ኣብቲ ሳልሳይ ሰረገላ ኣምበላያት ኣፍራስ፥ ኣብቲ ራብዓይ ሰረገላ ድማ ዝንጕርጕር ኣፍራስ ነበሩ። ኣነ ኸዓ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ “ኦ ጐይታይ፥ እዚኣቶምከ እንታይ እዮም?” በልክዎ። እቲ በዓል መጋላት ኣፍራስ ናብ ሰሜን ይወፅእ፤ እቲ በዓል ኣምበላይ ኣፍራስ ድማ ብድሕሪኡ ይወፅእ፤ እቲ በዓል ዝንጕርጕር ኣፍራስውን ናብ ደቡብ ይወፅእ። እቶም ብርቱዓት ኣፍራስ እንትወፁ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ንምምልላስ ይደልዩ ነበሩ። ንሱውን “ኪዱ ንምድሪ ተመላለስዋ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ንምድሪ ተመላለስዋ። ካብኡ ዓው ኢሉ “እንሆ እቶም ናብ ሃገር ሰሜን ዝወፁ፥ ንመንፈሰይ ኣብ ምድሪ ሰሜን ኣዕሪፎምዎ” በለኒ። መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ካብቶም ካብ ባቢሎን ዝመፁ ምሩኻት፥ ካብ ሔልዳይን ካብ ጦብያን ካብ ኢዮዳኤምን ውሰድ፤ በቲ መዓልቲ እቱይ ኬድካ፥ ናብ ወዲ ሶፎንያስ ናብ ቤት ኢዮስያስ እቶ። ወርቅን ብሩርን ወሲድካ ድማ ኣኽሊላት ስራሕሞ፥ ኣብ ርእሲ እቲ ዓብዪ ካህን ኢያሱ ወዲ ዮሴዴቅ ድፍኣዮም። ንእኡውን ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ስሙ ቘጥቋጥ ዝተብሃለ ሰብ፥ ኣብ ቦታኡ ኽበቍል እዩ፤ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ክሰርሕ እዩ። ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሕ ንሱ እዩ፤ ክብሪውን ክለብስ እዩ፤ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኸዓ ኽገዝእ እዩ። ኣብ ዙፋኑ ኻህን ክኸውን እዩ፤ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ከዓ ምኽሪ ሰላም ክህሉ እዩ።’ እቶም ኣኽሊላት ድማ ንሔሌምን ንጦብያን ንዮዳኤምን ንወዲ ሶፎንያስን ንሔንን፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ክኾኑ እዮም።” እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽመፁ፥ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኽሰርሑ እዮም፤ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዙይ ክኸውን እዩ። ዳርዮስ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ካሴሉ ብዝበሃል ታሽዓይ ወርሒ፥ ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መፀ። ሰብ ቤቴልውን ንሳራሳርን ንሬጌሜሌክን ንሰባቶምውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክልምኑ፥ ነቶም ካህናት ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄርን ንነቢያትን “ከምቲ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበርኩዎዶ ኣብ ሓምሻይ ወርሒ ምፍላይን ምብካይንዶ ይግብአኒ?” ኢሎም ክናገሩ ልኢኽዎም ነበረ። ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ “ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ? ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩምስ፥ ንርእስኹምዶ ኣይኮነን ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩም?’ ” ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ? ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ፥ ናብ ዘካርያስ መፀ፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ‘ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፤ ኵልኻትኩም ድማ ነሕዋትኩም ሰናይን ምሕረትን ግበሩ። ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፤ ካባኻትኩምውን፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ኽፉእ ነገር ኣይሕሰብ።’ “ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ፥ ብቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ብመንፈሱ ዝለኣኾ ሕጉን ቃሉን ከይሰምዑ፥ ልቦም ከም ኣልማዝ ኣትረሩ፤ ስለዙይ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዓብዪ ቝጥዓ መፀ። ኣነ ፀዊዐዮም ከም ዘይሰምዑ፥ ኣነውን ከምኡ እንትፅውዑኒ ኣይሰምዖምን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።” ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናባይ መፀ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ብዛዕባ ፅዮን ዓብዪ ቅንኣት ቀኒአላ ኣለኹ፤ ምእንታኣውን ብዓብዪ ቍጥዓ ቀኒአ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምኡውን ኣረጋውያን ሰብኡትን፥ ኣረጋውያት ኣንስትን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም መሊሶም ክቕመጡ እዮም፤ ዕድመኣቶም ስለ ዝነውሐ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፎም ምርኩስ ኣብ ኣእዳዎም ክሕዙ እዮም። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ፥ በቶም ዝፃወቱ ኣወዳትን ኣጓላትን ክመልኣ እየን።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ነዒንቲ ተረፍ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ እንተዀነስ፥ ነዒንተይዶ ዘደንቕ ክኸውን እዩ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እነሆ ኣነ ንህዝበይ ካብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ከድሕኖም እየ፤ ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “መቕደሱ ኽስራሕ፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ዝተመስረተሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ካብ ኣፍ ነቢያት በዝ ዘመን እዙይ፥ እዝ ቓል እዙይ ዝሰማዕኹም ንስኻትኩም፥ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ። ቅድሚ እተን ኣዋርሕ እቲኣተን ንሰብን፥ ንእንስሳን ዋጋ ውዕሎ ኣይነበሮን፤ ኣነ ድማ ንዅሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ኣተሲአ ነይረ እየሞ፥ ካብ ኣጨናቒ ዝተልዓለ ንዝኣቱን ንዝወፅእን ሰላም ኣይነበረን። ሕዚ ግና ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ከምቲ በተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዝገበርክዎ ኣይገብርን እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ግና ሰላም ክዘርእ እየ፤ ወይኒ ፍረኡ ኽህብ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ በቍላ ኽትህብ እያ፤ ሰማያት ድማ ጠሊ ኽህቡ እዮም። ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ነዝ ዅሉ ኸውርሶም እየ። ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ብኣህዛብ ምሳሌ ርግማን ከም ዝነበርኩም ሕዚ ግና ኸድሕነኩም እየ፤ በረኸት ድማ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣእዳውኩምውን ኣበርትዑ።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፦ “ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ከምፅኣሎም ሓሰብኩ፤ ኣይተናሳሕኹንውን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ከምኡ ድማ ሕዚ ንኣኻትኩም ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን፥ ሰናይ ክገብረልኩም ሓሲበ ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ። እቲ ኽትገብርዎ ዝግብአኩም ነገር እዙይ እዩ፦ ምስ ብፆትኩም ሓቂ ተዘራርቡ፤ ኣብ ባይቶኹምውን ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ። ካባኻትኩም ድማ፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ክፉእ ኣይሕሰበሉ፤ ናይ ሓሰት ማሕላውን ኣይትፍተዉ፤ ነዝ ዅሉ እፀልኦ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር። ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።” ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዝነብሩ ኣህዛብ ገና ኽመፁ እዮም። እቶም ኣብ ሓንቲ ኸተማ ዝነብሩ ሰባት፥ ንእግዚኣብሄር ንምልማን ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይ፥ ንዑ ቀልጢፍና ንኺድ፤ ኣነ ባዕለይውን ክኸይድ እየ እናበሉ፥ ናብ ካልእ ከተማ ክኸዱ እዮም። ብዙሓት ወገናትን ሓያላት ኣህዛብን፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይን ንምልማንን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እዮም። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።” ከምኡውን ኣብታ እተዋስና ሃማት፥ የመና ጥበበኛታት ኣብ ዝኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ኣብ ልዕሊ ሲዶናን እዩ። ጢሮስውን ንባዕላ ዕርዲ ሰሪሓ ኣላ፤ ንብሩር ከም ሓመድ፥ ንፅሩይ ወርቂ ድማ ኸም ጭቃ መንገዲ ደለበት። እንሆ፥ ጐይታ ኽገፋ እዩ፤ ኣብ ባሕሪ ንዘሎ ሓይላውን ክድምስስ እዩ፤ ንሳውን ብሓዊ ኽትቃፀል እያ። ኣስቀሎና ነዙይ ሪኣ ኽትፈርሕ እያ፤ ጋዛውን ነዙይ ሪኣ የመና ኽትሓምም እያ። ኣስቀሎና ድማ ኸምኣተን ተስፋ ኽትቈርፅ እያ። እቲ ንጉስ ካብ ጋዛ ኽጠፍእ እዩ። ኣብ ኣስቀሎና ኸዓ ዝነብር ኣይርከብን። “ኣብ ኣዛጦን ዝተሓናፈፀ ዓሌት ክነብር እዩ፤ ትዕቢት ፍልስጥኤማውያንውን ከጥፍእ እየ። ደሙ ኻብ ኣፉ፥ ነቲ ርኹስ ነገርውን ካብ ማእኸል ኣስናኑ ኸወግድ እየ፤ ንሱ ድማ ንኣምላኽና ተረፍ ክኸውን እዩ። ኣብ ይሁዳውን ከም ሓደ ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣስቀሎና ከዓ ኸም ኢያቡሳዊ ክኸውን እዩ። ኣነ ኸዓ ዝኾነ ኸይኣትዋን ከይምለሳን፥ ንቤተይ ከም ሓላዊ ሰራዊት ሰፈር ገይረ ኽሕልዋ እየ። ጭንቆም ሪአ እየሞ፥ ድሕሪ ደጊም ንህዝበይ ጨቈንቲ ኣይሓልፍዎምን።” ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ። ካብቲ ሩባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ክኸውን እዩ።” ሓራ ኣውፂአዮም ኣለኹ። ከም ዝመልሰልኪ እነግረኪ ኣለኹ። ንኣኺውን ከም ሰይፊ ሓያል ክገብረኪ እየ።” ብኣውሎ ንፋስ ደቡብ ድማ ክኸይድ እዩ። ዝተማልኡ ክኾኑ እዮም። ከምኡ ኣብ ምድሩ ኸንፀባርቑ እዮም። እኽሊ ነጕባዝ፥ ወይኒ እውን ንቘናጁ የለምልም። ብጊዜ ዳሕረዋይ ዝናም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፤ እግዚኣብሄር መብረቅ ይገብር፤ ዝናምን ንነፍሲ ወከፍ ድማ ሳዕሪ ኣብ ግራት ክህብ እዩ። ተራፊም ከንቱ ይናገሩ፤ ጠንቈልቲውን ሓሰት ይሪኡ፤ ሓለምቲ ድማ ሓሰት ይናገሩ፤ ብኸንቱውን የፀናንዑ፤ ስለዙይ እቶም ህዝቢ ጓሳ የብሎምን፤ ከም ኣባጊዕ ከርተት በሉ፤ ተጨነቑውን። ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ ጓሶት ነደደ፤ ነቶም ዲበላታትውን ክቐፅዖም እየ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንመጓሰኡ ቤት ይሁዳ ተመልኪትዎ እዩ፤ ኣብ ጊዜ ውግእውን፥ ከም ናይ ክብሩ ፈረስ ክገብሮም እዩ። ካብኡ እምኒ መኣዝን፥ ካስማ ድንኳን፥ ቀስቲ ውግእ፥ ኵሎም ግብሪ ዘገብሩ ኽወፁ እዮም። ኣብ ጊዜ ውግእ ንፀላእቶም ኣብ መንገዲ ንዘሎ ጭቃ ኸም ዝረጋግፁ ሓያላት ክኾኑ እዮም፤ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ኸዓ ኽዋግኡ እዮም፤ እቶም ፈረሰኛታትውን ከዋርዱ እዮም። ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም። ልቦምውን ብእግዚኣብሄር ሓሴት ክገብር እዩ።” ከም ቀደሞምውን ክበዝሑ እዮም። ናብ ዓዶም ክምለሱን እዮም። ብቑዕ ቦታውን ኣይርከበሎምን። በትሪ መንግስቲ ግብፂውን ክውገድ እዩ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ሓዊውን ንዝግባታትካ ትብላዕ። ዋይ ዋይ በሉ። ድምፂ ምጕዛም ኣንበሳ ተሰምዐ። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዙይ ይብል፦ “እተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ ሓሉ። እቶም ዓደግተን ክሓርድወን እዮም፤ ንርእሶም ከዓ ኸም በደልቲ ገይሮም ኣይቘፅሩን። እቶም ሸየጥተን ከዓ ‘ንሕና ሃብቲምና ኢናሞ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን’ ይብሉ። ጓሶተንውን ኣይርህሩሁለንን።” “ድሕሪ ሕዚ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ኣይርህርሀሎምን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ንዅሉ ሰብ ኣብ ኢድ ብፃዩን፥ ኣብ ኢድ ንጉሱን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነታ ምድሪ ኸባድምዋ እዮም፤ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣየናግፎምን እየ” ይብል እግዚኣብሄር። ኣነውን ነተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ፥ ብፍላይኳ ነተን መሳኺን መጓሰ ኣባጊዕ፥ ጓሰኹ። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፤ ነታ ሓንቲ “ፅባቐ” ነታ ሓንቲ ኸዓ “መእሰሪ” ኢለ ሰመኽወን፤ ነተን መጓሰውን ሓለኹወን። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፥ ነቶም ሰለስተ ጓሶት ኣወገድክዎም። ነፍሰይውን ተሰቀቐቶም፤ ነፍሳቶምውን ንኣይ ፀልአትኒ። “ኣነ ንኣኻትኩም ኣይሕሉን፤ እቲ ዝመውት ይሙት፤ እቲ ዝጠፍእ ይጥፋእ፤ እቲ ዝተረፈ ድማ ስጋ ንስንሳቱ ይባላዕ” በልኩ። ሽዑ ኣነ ምስ ኵሎም ህዝብታት፥ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኸፍርስ ነታ “ሞገስ” ዝስማ በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ። እቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩን፥ እቶም ዝተጨነቑ ኣባጊዕን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጡ። ኣነ ድማ “ባህ እንተይሉኩም ዓስበይ ሃቡኒ፤ ደስ እንተ ዘይሉኩም ድማ ሕደግዎ” በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ዓስበይ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር መዘኑ። ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ክሰብር፥ ነታ “መእሰሪ” ዝበልክዋ ኻልአይቲ በትረይ ሰበርክዋ። እግዚኣብሄር ከዓ “መሊስካ ኣቕሓ እቲ ሰነፍ ጓሳ ውሰድ” በለኒ። “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ጓሳ ኸተስእ እየ። ንሱ ንዝጠፍአ ኣይዝክርን፤ ከርተት ንዝብል ኣይደልን፤ ንዝተሰበረ ኣይፅግንን፤ ነቲ ዝደሓነ ኸዓ ኣይቕልብን እዩ፤ ግና ስጋ ስቡሓት ይበልዕ፤ ሸኾናኣቶምውን ይቆረጣጥም። መጓሰኡ ንዝሓድግ ሰነፍ ጓሳ ወይለኡ! ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልፅሙን፥ የማናይ ዓይኑን ክኸውን እዩ። ቅልፅሙ ፈፂማ ኽትሰልል፥ የማነይቲ ዓይኑውን ክትዓውር እያ።” ስለ እስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ንሰማያት ዝዘርገሐ፥ ንምድሪ ዝመስረተ፥ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ንኢየሩሳሌም፥ ኣብ ዙርያኣ ንዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ገድገድ ከም ዘብል ፅዋዕ ኽገብራ እየ፤ ከምኡውን ኢየሩሳሌም እንትትክበብ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸምዙይ ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኢየሩሳሌም ንዅሎም ኣህዛብ ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፤ እቶም ኵሎም ክስከምዋ ዝፍትኑ፥ ንባዕላቶም የመና ኽቘስሉ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ እውን፥ ኣብ ልዕሊኣ ኽእከቡ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሉ ኣፍራስ ብድንጋፀ፥ ንዝቕመጥዎም ሰባት ድማ ብዕብዳን ክወቅዕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንቤት ይሁዳ ብዓይነይ ክሕሉ እየ፤ ኣዒንቲ ዅሎም ኣፍራስ ኣህዛብውን ከዕውር እየ። ሽዑ ኣሕሉቕ ይሁዳ ብልቦም ‘ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ብኣምላኾም ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብርታዐ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም። “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ። “እግዚኣብሄር ድማ ኽብሪ ቤት ዳዊትን ክብሪ ኢየሩሳሌምን ኣብ ክብሪ ይሁዳ ኸይዕበ፥ መጀመርታ ንመንበሪታት ይሁዳ ኸድሕን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኽምክተሎም እዩ፤ ካብ መንጎኣቶም የመና ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ። ቤት ዳዊትውን ቀቅድሚኣቶም ከም ዝኸይድ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ኣምላኽ ክኾኖም እዩ። በታ መዓልቲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ከጥፍእዋ ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ከጥፍኦም ክለዓል እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከምቲ ንሃዳድሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶ ዝበኸዩሉ ብኽያት፥ ከምኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ክኸውን እዩ። እታ ምድሪ ኸዓ ኽትበኪ እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፥ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፥ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፥ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን፥ ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፥ ኣንስቶም ከዓ ንበይነን፥ ዓሌት ሰሜኢ ንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን፥ ኮይኖም ክበኽዩ እዮም። ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን ኮይነን ክበኽያ እየን።” “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቤት ዳዊትን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን፥ ካብ ሓጢኣትን ካብ ርኽሰትን እተንፅህ፥ ዓይኒ ማይ ክትክፈተሎም እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ሽዑ ዝኾነ ሰብ ትንቢት እንተ ተናገረ፥ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ‘ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሰት ተናጊርካ ኢኻሞ ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻ’ ኽብልዎ እዮም። ትንቢት እንትናገርውን እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ክወግእዎ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኵሎም ነቢያት ትንቢት እንትናገሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ስለ እቲ ዝናገሮ ራእይን ትንቢትን ይሓፍር፤ ንምትላልውን ወጮ ኣይለብሱን። ንሱ ግና ‘ኣነ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ንሰብ እግዛእ ስለ ዝነበርኩ፥ ስራሐይ ማሕረስ እምበር ነቢይ ኣይኮንኩን’ ይብል። ሰብ ድማ ‘እዝ ኣብ ማእኸል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ ደኣ እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንትጥይቖ፥ ንሱ ‘ኣብ ቤት ፈተውተይ ዝቘሰልክዎ ቝስሊ እዩ’ ይብል።” ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ድማ እቶም ክልተ ኢድ ተቘሪፆም ክሞቱ እዮም፤ እቶም ሳልሳይ ኢድ ግና፥ ኣብኣ ኽተርፉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።” እንሆ መዓልቲ እግዚኣብሄር ክመፅእ እዩ፤ ዝዘመቱኺ ኸዓ ኣብ ውሽጥኺ ኽማቐልዎ እዮም። ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም። ሽዑ እግዚኣብሄር ከምቲ ብጊዜ ዂናት ዝተዋግኦ፥ ንኣህዛብ ክዋግኦም ክወፅእ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብቲ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ደብረ ዘይት፥ ኣእጋሩ ኽቖማ እየን። ደብረ ዘይት ኻብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ፥ ኣብ ክልተ ኽስንጠቕ እዩ። የመና ዓብዪ ለሰውን ክኸውን እዩ። ፍርቂ እቲ እምባ ናብ ሰሜን፥ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ክሰሓብ እዩ። ለሰ እቲ እምባ ክሳዕ ኣፀል ክበፅሕ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም በቲ ለሰ እምባታት ክትሃድሙ ኢኹም። ኣቦታትኩም ብዘመን ኦዝያን ንጉስ ይሁዳ ኸም ዝኾነ፥ ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተልዓለ ኸም ዝሃደሙ፥ ክትሃድሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከዓ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ በረድን ኣስሓይታን እምበር ብርሃን ኣይኸውንን። ሓደ መዓልቲ እውን ይኸውን፤ ንሱውን ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ ይኸውን፤ መዓልቲ ኣይኸውንን፤ ለይቲ እውን ኣይኸውንን፤ እንትመሲ ድማ ብርሃን ይኸውን። እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኽነግስ እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ሓደ፥ ስሙውን ሓደ ክኸውን እዩ። ኵላ ምድሪ ኻብ ጌባ ጀሚሩ ብደቡብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘላ ኽሳዕ ሞሬን፥ ተለዊጣ ኸም ዓረባ ኽትከውን እያ፤ ንሳ ልዕል ልዕል ክትብል እያ። ካብ በሪ ቢንያም ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ በሪ ኽሳዕ እቲ በሪ መኣዝኑ፥ ካብ ግንቢ ሓናንኤል ክሳዕ እቲ መፅመቚ ወይኒ ንጉስ ኣብ ስፍራኣ ኽትነብር እያ። ህዝቢ ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ብድሕሪኡ ርግማን ኣይኸውንን፤ ኢየሩሳሌም ሃዲኣ ብሰላም ክትነብር እያ። እግዚኣብሄር ነቶም ንኢየሩሳሌም ዝወግእዋ ዅላቶም ኣህዛብ ዝወቕዐሉ መቕሰፍቲ እዙይ እዩ፤ ገና ብእግሮም ቆይሞም እንተለዉ ስጋኦም ክብስብስ እዩ፤ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን እንተለዋ ኽብስብሳ እየን፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም እንተላ ኽትብስብስ እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ካብ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዓብዪ ራዕዲ ኽወርድ እዩ። ንስንሳቱ ኢድ ብፃዩ ኽሕዝ እዩ፤ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ኽለዓል እዩ። ይሁዳ ድማ፥ ኣብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኽዋጋእ እዩ፤ ሃብቲ ዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ፥ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ድማ ኽእክብ እዩ። ኣብ ልዕሊ ፈረስን በቕልን ግመልን ኣድግን፥ ኣብቲ ሰፈር እቱይ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ዅሉ እንስሳን ዘፅንት መዓት ክወርድ እዩ። ካብ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ነቲ ንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደዪቦም፥ ዝናም ኣይዘንቦምን እዩ። ግብፃውያን ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደየቡን በዓል ዳስ እንተ ዘየብዓሉን፥ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዘይድይቡ ኣህዛብ፥ ዝቐፅዐሉ መዓት ከውርደሎም እዩ። እዙይ ቅፅዓት ግብፅን፥ ቅፅዓት እቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ ናብ ኢየሩሳሌም ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጭል ኣፍራስ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ክፀሓፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሎ ድስትታት ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሒላባት ቅዱስ ክኸውን እዩ። ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዘሎ ድስትታት፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እቶም መስዋእቲ ኽስውኡ ዝመፁ ዅላቶም፥ ነቲ ድስትታት ብምውሳድ ከዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ኣብኡ ኸብስልዎ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኣብታ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከነዓናዊ ኸቶ ኣይህሉን እዩ። ብኢድ ሚልክያስ ንእስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ “ኤሳው ሓው ያእቆብዶ ኣይነበረን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንያእቆብ ፈተኹ፤ ንኤሳው ግና ፀላእኹ። ንእምባታቱ ኣባደምክዎ፤ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረ በዳ ሃብክዎ።” ኤዶማውያን “ንሕና ፈሪስና ኢና፤ ግና ነቲ ዝፈረሰ መሊስና ኽንሓንፆ ኢና” እንተ በሉ እኳ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንሳቶም ይሰርሑ፥ ኣነ ግና ኸፍርሶ እየ። ‘ብሰባትውን፥ ወሰን በደልን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝተቘጥዖም ህዝብን’ ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።” ኣቱም ስመይ እተቃልሉ ኻህናት፥ “ውሉድ ነቦኡ፥ ባርያውን ንጐይታኡ የኽብር እዩ፤ እምበኣር ኣቦ እንተ ኾይነ፥ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ? ጐይታ እንተ ኾይነኸ፥ ተፈራሕነተይ ኣበይ ኣሎ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፥ “ስምካ ዘቃለልናዮ ኸመይ እዩ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጀራ ተቕርቡ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ‘ዘርከስናካ ብኸመይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም። ማእዲ እግዚኣብሄር ዝተንዓቐ እዩ ብምባልኩም እዩ። ዕዉር፥ ሓንካስ ወይ ሕሙም እንስሳ ንመስዋእቲ ምቕራብ ክፉእዶ ኣይኮነን? ዝሓንከሰን ዝሓመመን እንትተቕርቡ፥ እዙይ ክፉእዶ ኣይኮነን? እስኪ እዙይ ንመራሒኻ ኣቕርበሉ፤ ይሕጐሰልካዶ? ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚኡዶ ሞገስ ክትረክብ ኢኻ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ሕዚ እውን ፀጋ ምእንቲ ኽህበና ንእግዚኣብሄር ለምኑ። ከምዙይ ዝዓይነቱ መስዋእቲ ሒዝኩም እንተ እትቐርቡ ይቕበለኩምዶ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። “ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱ፥ ሓደ ኻባኻትኩም በርታት ዝዓፁ እንተ ዝርከብ! ኣነ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን፤ ካብ ኢድኩምውን ዝኾነ ዓይነት ቍርባን ኣይቅበልን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ‘ማእዲ እግዚኣብሄር ርኹስ እዩ’ ፍረኡን ምግቡን፥ ዝተንዓቐ እዩ፤ ብምባል ተቃልሉ ኣለኹም። መሊስኩም፥ እዙይ ድኻም እዩ ብምባል ፂቕ በልኩምሉ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ከቲርኩም ንዝሓዝኩምዎ፥ ሓንካስን ሕሙምን እንስሳ፥ መስዋእቲ ጌርኩም እንትተቕርቡ፥ ካብ ኢድኩም ክቕበል ድየ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየሞ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ስመይውን ኣብ ኣህዛብ ዝተፈርሐ እዩሞ፥ እቲ ‘ካብ መጓሰኡ ተባዕታይ እንስሳ ኽህብ እየ’ ኢሉ ተመባፂዑ፤ ጐደሎ ዘለዎ እንስሳ ንጐይታ ዝስውእ ርጉም ይኹን።” ሕዚ እውን ኣቱም ካህናት፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ንኣኻትኩም ዝተውሃበ እዩ። ንስመይ ክብሪ ኽትህቡ እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ብልብኹምውን እንተ ዘይገበርኩምዎ፥ መርገም ክሰደልኩም፥ ንበረኸትኩምውን ክረግማ እየ። ሕዚ እውን ብልብኹም ኣይገበርኩምዎን እሞ፥ ኣነውን ረጊመያ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንቕልፅምኩም ክግስፆ እየ፤ ነቲ ፋንዲያ መስዋእትኹም፥ ኣብ ገፅኩም ክብትኖ እየ፤ ምስኡውን ክትውገዱ ኢኹም። እቲ ምስ ሌዊ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኽፀንዕ ኢለ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ከም ዝለኣኽክዎ ትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ሓቀኛ ሕጊ ኣብ ኣፉ ነበረ፤ ዝኾነ በደልውን ኣብ ከንፈሩ ኣይተረኽበን፤ ምሳይ ብሰላምን ብቕንዕናን ይኸይድ ነበረ፤ ንብዙሓትውን ካብ ሓጢኣት መለሰ። እቲ ኻህን፥ ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ልኡኽ ስለዝኾነ፥ ከናፍሩ ፍልጠት ክሕልዉ ይግባእ፤ ካብ ኣፉውን ሰባት ሕጊ ኽደልዩ ይግባእ። ንስኻትኩም ግና፥ ካብ መንገዱ ኣግለስኩም፤ ብሕጊ እውን ብዙሓት ከም ዝዕንቀፉ ጌርኩም ኢኹም፤ ኪዳን ሌዊ ድማ ኣነዊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ስለዙይ ብመንገደይ ስለዘይከድኩምን፥ ብሕገይውን ኣድልዎ ስለዝገበርኩምን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኽትነዓቑን ክትዋረዱን ገይረኩም እየ። ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል? ይሁዳ ኣይተኣመነን፤ ይሁዳ ነቲ እግዚኣብሄር ዘፍቀሮ ቤተ መቕደስካ ኣርኪስዎ፤ ይሁዳ ጓል ባዕዲ ኣምላኽ ኣእትዩ እዩ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ኢየሩሳሌምን ርኽሰት ተፈፂሙ እዩ፤ እዙይ ድማ ጌርኩም ኢኹም። ነዙይ ዝገብር ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቍርባን እንተምፀአ እኳ፥ እግዚኣብሄር ካብ ድንኳን ያእቆብ ከወግዶ እዩ። እትገብርዎ ኻልእ ነገር ከዓ፦ “ንመስዋእቲ ስለ ዘይጥምቶ፥ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ስለ ዘይቕበሎን” ንመሰውኢ እግዚኣብሄር፥ ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይ ዋይታን ሸፈንኩምዎ። ንስኻትኩም፥ ስለ ምንታይ እዩ ኸዓ ትብሉ ኣለኹም? እዙይ ዝኾነ፥ ናይ ሓዳር ብፀይትኻን፥ ናይ ቃል ኪዳን ሰበይትኻን ኣታሊልካ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ሰበይቲ ንእስነትካን፥ ንዘሎ ቓል ኪዳን ምስክር ስለዝኾነ እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ህይወት መንፈስ፥ ሓደ ገይሩዶ ሓልዩልና ኣይኮነን? ንሱ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቅዱስ ዘርኢዶ ኣይኮነን? እምበኣርከስ መንፈስኩም ሓልዉ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ንሰበይቲ ንእስነቱ ኣየታልል። ምፍታሕ እፀልእ እየ፤ ይብል ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር። ንኽዳኑ፥ ብግፍዒ ተግባር ንዝሽፍን ሰብ እፀልእ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ስለዙይ ከይተታልሉ መንፈስኩም ሓልዉ። ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣትኪርኩምዎ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን “ከመይ ኢና ዘትከርናዮ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኵሉ ኽፉእ ዝገብር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ንሱ ብኣኣቶም ደስ ይብሎ እዩ” ወይ “ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?” ብምባልኩም እዩ። ንሱ ኸምቲ ንብሩር ዝዅልዕን ዘፅርን ሰብ ክቕመጥ እዩሞ፥ ንሌዋውያንውን ኣንፂሁ ኸም ወርቅን ከም ብሩርን ከፅርዮም እዩ። ንሳቶምውን ብፅድቂ ንእግዚኣብሄር ቍርባን ዘቕርቡ ክኾኑ እዮም። ሽዑ መስዋእቲ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ከምተን ዝሓለፋ ዓመታትን፥ ከምቲ ናይ ቀደም ዘመንን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ክኸውን እዩ። “ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ፤ ስለዙይ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ፥ ፈፂምኩም ኣይጠፋእኹምን። ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚሩ፥ ካብ ትእዛዛተይ ድሕር ኢልኩም ኢኹም፤ ኣይሓለኹምዎንውን፤ ናባይ ተመለሱ፤ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ኢና እንምለስ ትብሉ ኣለኹም። ሰብዶ ንእግዚኣብሄር ይሰርቆ እዩ? ንስኻትኩም ግና ትሰርቁኒ ኣለኹም። ንስኻትኩም ግና ‘ከመይ ኢና ዝሰረቅናካ?’ ትብሉ ኣለኹም። ብኣስራትን ብበዅራትን እዩ። ንስኻትኩምን ኵሉ እቲ ህዝብን ስለ እትሰርቁኒ፥ ብመርገም ዝተረገምኩም ኢኹም። ኣብ ቤተይ መብልዕ ምእንቲ ክኸውንስ፥ ንዅሉ ኣስራት ናብ ቤተ መዛግብቲ ኣእትዉ። ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፥ በረኸት ድማ ሕልፍን ትርፍን ገይረ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፥ ብዙይ ፍተኑኒ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ምእንታኻትኩም ፍረ ምድሪኹም ከየጥፍእ፥ ነቲ ሓሰኻ ኽግስፆ እየ፤ ኣብ ግራትኩም ዘሎ ተኽሊ ወይንኹም ፍረኡ ኣየርግፍን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ድሕሪዙይ ምድሪኹም ምድሪ ሓጐስ ስለእትኸውን፥ ኵሎም ኣህዛብ ‘ዝተባረኸ ህዝቢ’ ኢሎም ክፅውዑኹም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። “ኣብ ልዕለይ፥ ቃል ድፍረት ተናጊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ‘ኣብ ልዕሌኻ ደፊርና ዝተናገርናዮ እንታይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም። ንስኻትኩም፦ ‘ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ከንቱ እዩ፤ ኵሉ ናቱ ትእዛዝ ምሕላው፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሕዙናት ኴንና ምምልላስና፥ እንታይ ክረብሐና እዩ?’ ሕዚ እውን ነቶም ትዕቢተኛታት፥ ቡሩኻት እዮም ንብሎም ኣለና፤ እቶም ገበርቲ ኽፉእ ፀኒዖም ኣለዉ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈታተንዎ ኸዓ የምልጡ ኣለዉ” ትብሉ ኣለኹም። በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ። “በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝምሕሮ፥ ክምሕሮም እየ። ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ። “እንሆ፥ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመፅእ ኣላ፤ ኵሎም ዕቡያትን ገበርቲ ኽፉእን ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ሱር ወይ ጨንፈር እንተይሓደገት፥ ህሙኽ ኽተብሎም እያ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም። በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ እቶም ኽፉኣት ኣብ ትሕቲ ሳእኒ እግርኹም ሓመድ ክኾኑ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ክትረግፅዎም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። “ነቲ ንዅሎም እስራኤል፥ ሕግጋትን ስርዓትን ክኸውን ኢለ፥ ንባርያይ ሙሴ ኣብ ኮሬብ ዝኣዘዝክዎ ሕጊ ዘክርዎ። ኣነ መፂአ ንምድሪ ብመርገም ከየጥፍኣስ፥ ንሱ ንልቢ ኣቦታት ናብ ደቆም፥ ንልቢ ደቂ ኸዓ ናብ ኣቦታቶም ክምልስ እዩ።” ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ወለደ፥ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፥ ይሁዳ ኸዓ፥ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥ ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፥ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፥ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፥ ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ፥ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥ ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ፥ ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፥ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፥ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ፥ ኣሳፍ ንኢዮሳፍጥ ወለደ፥ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም ወለደ፥ ኢዮራም ንዖዝያን ወለደ፥ ዖዝያን ንኢዮኣታም ወለደ፥ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ፥ ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፥ ምናሴ ንኣሞፅ ወለደ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ፥ ኢዮስያስ ከዓ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነሕዋቱን ወለደ። ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ፥ ኢኮንያን ንሰላትያል ወለደ፥ ሰላትያል ንዘሩባቤል ወለደ፥ ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፥ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ፥ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፥ ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፥ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፥ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፥ ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፥ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፥ ማታን ንያእቆብ ወለደ፥ ያእቆብ ድማ ክርስቶስ እምበኣር ኵሉ ትውልዲ፥ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ፥ ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ እዩ። ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ እዩ፦ እኖኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓፅያ እንተላ፥ እንተይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኸበት። ሕፁያ ዮሴፍ ግና ፃድቕ ስለ ዝነበረ፥ ብሕቡእ ክሓድጋ ደኣ ሓሰበ እምበር ክገልፃ ኣይደለየን። እዙይ እናሓሰበ እንተሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተርኣዮ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።” እዝ ዅሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ፥ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ኸዓ ኣማኑኤል ክበሃል እዩ፤ ትርጕሙ ድማ ‘እግዚኣብሄር ምሳና’ ማለት እዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። ዮሴፍ ድማ ኻብ ድቃሱ ተሲኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕፅይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ፤ [በዅሪ] ወዳ ኽሳዕ እትወልድውን ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ። ንጉስ ሄሮድስ እዙይ ሰሚዑ ደንገፀ፤ ኵሎም ህዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ደንገፁ። ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ካህናትን መምህራን ህዝብን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ?” ኢሉ ጠየቖም። ድሕሪዙይ ሄሮድስ ንሰብኣ ሰገል ብሕቡእ ፀዊዑ፥ ካብኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተርኣዮም ኮኸብ ኣፀቢቑ ተረድአ። ናብ ቤተ ልሔም ድማ ሰደዶምሞ፥ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህፃን ብጥንቃቐ መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ ድማ ኣነ መፂአ ምእንቲ ኽሰግደሉ ንገሩኒ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረአይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እቲ ህፃን ዝነበራ ቦታ መፂኡ ኽሳዕ ዝቐውም ነቲ ኮኸብ ምስ ረአይዎ፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጐሱ። ናብ ቤት ኣትዮም፥ ነቲ ህፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረአይዎ፤ ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ። ሳፁኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገፀ በረኸት ኣቕረቡሉ። ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም፥ ብኻልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመለሱ። ንሳቶም ምስ ከዱ ኸዓ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርኣዮ፤ “ሄሮድስ ነዝ ህፃን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ ናብ ግብፂ ህደም፤ ክሳዕ ዝነግረካ ኸዓ ኣብኡ ፅናሕ” በሎ። ዮሴፍ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ብለይቲ ናብ ግብፂ ኸደ። እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “ንወደይ ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ” ዝበሎ ምእንቲ ኽፍፀም ድማ፥ ሄሮድስ ክሳዕ ዝመውት ኣብኡ ፀንሐ። ሽዑ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ከም ዘላገፁሉ ምስ ተረድአ የመና ተቘጥዐ እሞ፥ ንዅሎም ህፃናት ቤተ ልሔምን፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢኣ ንዝነበሩ ህፃናትን፥ ካብ ሰብኣ ሰገል ጠይቑ ብዝተረድኦ ዘመን፥ ሰራዊቱ ልኢኹ፥ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ ህፃናት ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነቢይ ኤርሚያስ፦ ሞይቶም እዮም እሞ፥ ምፅንናዕ ኣበየት” ዝተብሃለ ተፈፀመ። ሄሮድስ ምስ ሞተ፥ እንሆ ኣብ ግብፂ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርእዩ፥ “እቶም ንነፍሲ እዝ ህፃን ዝደልዩ፥ ሞይቶም እዮም እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” በሎ። ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ተመለሰ። ግና ኣርኬላኦስ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ፥ ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ ሰሚዑ፥ ናብኡ ምኻድ ፈርሐ። ብሕልሚ ምስ ተገለፀሉ ድማ፥ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ። እቲ ብነቢያት “ናዝራዊ ተብሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሃንስ እዩ እሞ። ሽዑ ሰብ ኢየሩሳሌምን ኵሎም ሰብ ይሁዳን፥ ኵሉ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ይመፁ ነበሩ። ሓጢኣቶም እናተናዘዙ ኸዓ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብዮሃንስ ይጥመቑ ነበሩ። እምበኣርከስ ንንስሃ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ። ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል እተምልጡ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ንእግዚኣብሄር ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ። እንሆ ሕዚ ማሕፀ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተቐሪቡ ኣሎ። እምበኣር ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። ኣነ ንንስሃ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ግና፥ ካባይ ይሕይል እዩ፤ ኣነ ኣሳእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ። ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።” ሽዑ ኢየሱስ፥ ብዮሃንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መፀ። ዮሃንስ ግና “ኣነ ደኣ ብኣኻ ኽጥመቕ ይግብአኒ እምበር፥ ንስኻዶ ናባይ ትመፅእ!” ኢሉ ኣበዮ። ኢየሱስ ከዓ “ኵሉ ፅድቂ ኽንፍፅም ይግብአና እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሕደግ! ይኹን ደኣ” ኢሉ መለሰሉ። ድሕሪዙይ “ይኹን” በሎ። ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ማይ ወፀ፤ እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፈተ፤ እንሆ ድማ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፆመ፤ ድሕሪዙይውን ጠመየ። እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ። ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፥ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ኣቖሞ። ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ እስኪ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር” በሎ። መሊሱ ዲያብሎስ የመና ነዊሕ ናብ ዝኾነ እምባ ወሲዱ፥ መንግስታት ኵሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥ “ተደፊእኻ እንተ ሰጊድካለይ እዝ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። ንናዝሬት ሓዲጉ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ዛብሎንን ንፍታሌምን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም ከይዱ ተቐመጠ። እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፦ ኣህዛብ ዝነብሩሉ ገሊላ፥ ብርሃን ወፀሎም” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። ኢየሱስ ከዓ “ንዑ ተኸተሉኒ፤ ኣነ ኸዓ ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩም እየ” በሎም። ሽዑ ንሽዑ ድማ መርበቦም ሓዲጎም ተኸተልዎ። ንሳቶም ከዓ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ሓዲጎም፥ ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ። ዝናኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ተሰምዐ፤ ኵሎም ሕሙማት፥ በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም፥ በብወርሑ ዝለዓል ሕማም ዘለዎምን መፃጕዓትን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ኸተማታትን ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብ እምባ ደዪቡ ተቐመጠ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐረቡ። ከምዙይ እናበለ ድማ ኽምህሮም ጀመረ፦ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጎምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ፤ ደስውን ይበልኩም።” “ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም፤ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርቢዩ፥ ብእግሪ ሰብ ክርገፅ እንተ ዘይኮይኑስ ዝጠቕሞ የብሉን። መብራህቲ ኣብ ገዛ ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኸብርህ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ የንብርዎ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣየንብርዎን። ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኵሉ ሕጊ እውን ክሳዕ ዝፍፀም፥ ካብ ሕጊ የውጣ ወይ ሓንቲ ሕንፃፅ ከም ዘይትሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እምበኣርከስ ካብዘን ኣናእሽቲ ትእዛዛት ንሓንቲ ዝጠሓሰ፥ ከምኡውን ንሰብ ዝመሃረ፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽተይ ክኸውን እዩ። እናፈፀመ ዝምህር ግና፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ክኸውን እዩ። ፅድቅኹም ካብ ፅድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን የመና እንተ ዘይበሊፁ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፥ ኢለ እነግረኩም ኣለኹ። ኣነ ግና፥ ንሓዉ ብዘይኮነ ዝቝጣዕ እምበኣርከስ መባእኻ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምፂእኻ፥ ሓውካ ኸዓ ተቐይሙካ ምህላዉ ሽዑ እንተ ዘኪርካ፥ ነቲ መባእኻ ኣብኡ ኣብቲ ቕድሚ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድሞ፥ ኣቐዲምካ ምስቲ ሓውካ ተዓረቕ፤ ደሓር ተመሊስካ መባእኻ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ፥ ገና ኣብ መንገዲ እንተለኻ ቐልጢፍካ ተዓረቕ፤ እንተ ዘይኮነ እቲ መባእስትኻ፥ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ፈራዲ ድማ ናብ ሓሽከሩ ኸየሕልፈካ፥ እቲ ሓሽከሩ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸየእትወካ። እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትኸፍል፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። ኣነ ግና ዅሉ ንሰበይቲ ሪኡ ዝተመነያ፥ ብልቡ ፈፂሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ። የማነይቲ ኢድካ ኣነ ግና ብምኽንያት ዝሙት እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ንሰበይቱ ዝፈትሕ፥ ዘማዊት ይገብራ፤ እቲ ነታ ፍትሕቲ ዘእቱ ድማ፥ ይዝሙ እብለኩም ኣለኹ። ኣነ ግና ብሰማይ፥ ዙፋን እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ወይ ብምድሪ መርገፂ እግሩ ስለ ዝኾነት፥ ወይ ብኢየሩሳሌም ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ ስለ ዝኾነት፥ ከቶ ኣይትምሓሉ እብለኩም ኣለኹ። ካብ ፀጕሪ ርእስኻ፥ ሓንቲ ኽተፃዕዱ ወይ ክተፀልም ኣይትኽእልን ኢኻሞ፥ ብርእስኻውን ነገርኩም ‘እወ፥ እወ’ ወይ ከዓ ‘ኣይኮነን፥ ኣይኮነን’ ደኣ ይኹን። ካብዙይ ዝሓለፈ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ እዩ። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ [ብኽፉእ] ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ። እጀ ጠባብካ ኽወስድ ንዝቃለሰካ፥ ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ ንዘገድደካ፥ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። ንዝለመነካ ሃቦ፤ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ። ኣነ ግና ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ። ነቶም ዝፈትውኹም እንተ ፈተኹም፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ተቐበልቲ ቐረፅስ ነሕዋትኩም ጥራሕ ሰላምታ እንተ ሃብኩምከ፥ እንታይ ሕልፊ ገበርኩም? ኣህዛብስ ከምኡ ይገብሩ እንድዮም? እምበኣርከስ ንስኻ ኽትምፅውት እንተለኻ፥ እቶም ግብዛት፥ ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎትን ኣውራ መንገድታትን ከም ዝገብርዎ፥ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ንሳቶም ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ንስኻ ግና ኽትምፅውት እንተለኻ፥ የማነይትኻ እትገብሮ ፀጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምፅዋትካ ብሕቡእ ይኹን፤ እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ እሞ። ንስኻ ግና ኽትፅሊ እንተለኻ፥ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻ ዓፂኻ ድማ፥ ናብቲ ብስዉር ዘሎ ኣቦኻ ፀሊ። እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ። ንስኻትኩም ግና ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እንተይለመንኩምዎ፥ ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ኣይትምሰልዎም። ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤ በደልና ይቕረ በለልና፤ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ ንሰባት በደሎም ይቕረ እንተ ዘይልኩምሎም ግና፥ ንኣኻትኩምውን ኣቦኻትኩም በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን። ንስኻ ግና ኽትፀውም እንተለኻ፥ እቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ እምበር፥ ከም እትፀውም ሰብ ከይፈልጥ ርእስኻ ተቐባእ፤ ገፅካውን ተሓፀብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ። “ብልዕን ምምራትን ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ ሃብቲ ኣክቡ እምበር። ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ እሞ። ዓይንኻ ሕሙም እንተ ኾይኑ ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን፤ እምበኣር እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ካብ ኮነ፥ ምፅልማቱ ኽንደይ ኮን ይብርትዕ! ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ? ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልፁን? ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ልዕሊ ቑመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን እዩ? ብዛዕባ ኽዳንከ ስለ ምንታይ ትጭነቑ? ዕምበባታት በረኻ ኣይፈትሉን፥ ኣይደኽሙን፥ ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ። ኣነ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ፥ ካብኣቶም ከም ሓደ ኸም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ። እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ፥ ፅባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ዘይኸድነኩም! እምበኣር ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና? እንታይከ ኽንክደን ኢና?’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዙይ ኵሉስ ኣህዛብውን ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ። ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ። እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።” ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይረአኻስ፥ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ እትርኢ? ኣብ ዓይንኻ ጕንዲ እንተሎስ፥ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ‘ካብ ዓይንኻ መንገፍ ከውፅአልካ’ ትብሎ? ኣታ ግብዝ! ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውፅእ፤ ብድሕሪኡ ኻብ ዓይኒ ሓውካ፥ መንገፍ ንምውፃእ ኣፀቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ። “ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆ ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ። ኵሉ ዝለመነ ይቕበል፤ ዝደለየውን ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ድማ ይኽፈተሉ። እንታዋይ ሰብ እዩ፥ ካባኻትኩም ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ? ወይ ከዓ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ተመን ዝህቦ? እምበኣርከስ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝለመንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ሰናይ ነገር ዘይህቦም? እምበኣር ሕግን ነቢያትን እዙይ እዩሞ፥ ከምቲ ዅሉ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።” “በታ ፀባብ በሪ እተዉ፤ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ በሪ ገፋሕ፥ መንገዳውን ሰፊሕ እዩ እሞ፥ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ በሪ ግና ፀባብ እያ፤ መንገዳውን ቀጢን እዩ፤ እቶም ዝረኽብዋ ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፤ ካብ ኣሜከላ ፍረ ወይኒ፥ ወይ ካብ ዳንዴር በለስዶ ይእረ? ከምኡ ድማ እቲ ፅቡቕ ኦም፥ ፅቡቕ ፍረ ይፈሪ፤ እቲ ሕማቕ ኦም ከዓ፥ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። ፅቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኽፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ፅቡቕ ፍረ ኽፈሪ ኣይኽእልን እዩ። ዅሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበኣርከስ ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር፥ ኵሉ ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን፤ ካባይ ረሓቑ!’ ኽብሎም እየ።” ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳትውን ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተመስረተ ግና ኣይወደቐን። ዅሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዘይፍፅም ግና፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ሑፃ ዝሰርሐ፥ ሰነፍ ሰብ ይመስል። ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳት ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ወደቐውን፥ ኣወዳድቓኡ ድማ ዓብዪ ኾነ።” ከም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ነበረ እሞ። ካብቲ እምባ ኽወርድ እንተሎ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ። እንሆ ኸዓ ሓደ ለምፃም ኢየሱስ ከዓ ኢዱ ዘርጊሑ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ድማ በሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ለምፁ ነፅሀ። ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ርእስኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖምውን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ!” በሎ። ኢየሱስ ድማ፥ “መፂአ ኸሕውዮ እየ” በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ “ጐይታይ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን፤ ግና ብቓልካ ኣዝዝ፤ ወደይ ድማ ኽሓዊ እዩ። ኣነ እኳ ሹም እየ፤ ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ክመፁ እዮም፤ ኣብ መንግስተ ሰማያት ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብንውን ክቕመጡ እዮም። ደቂ መንግስቲ ግና፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ፀልማት ክድርበዩ እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ” በሎም። ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ “ኪድ፥ ከም እምነትካ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ወዱ ኸዓ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። ኢዳ ምስ ዳህሰሳ ግና ረስና ሓደጋ፤ ተሲኣ ድማ ኣገልገለቶም። ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፤ ንዅሎም ሕማም ዘለዎም ድማ ኣሕወዮም። ኢየሱስ ኣብ ዙርያኡ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ኽሳገሩ ኣዘዘ። ሓደ መምህር ሕጊ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር፥ ናብ ኵሉ እትኸዶ ክኽተለካ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን መፅለሊ ኣለወን፤ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘፀግዐሉ እኳ የብሉን” በሎ። ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ጐይታይ! ንቐደም ክኸይድ እሞ፥ ነቦይ ክቐብር ፍቐደለይ!” በሎ። ኢየሱስ ግና “ንስኻስ ተኸተለኒ ደኣ፥ ምውታንስ ንምውታኖም ይቕበርዎም ሕደጎም” በሎ። ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፥ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተልዎ። እንሆ ኸዓ እታ ጃልባ ብማዕበል ክሳዕ እትድፈን፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ምንውዋፅ ኮነ፤ ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ኦ ጐይታ! ኸይንመውት ኣድሕነና!” እናበሉ ኣንቅሕዎ። እቶም ሰባት ከዓ፥ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ ከመይ ዝበለ እዩ!” ኢሎም ተገረሙ። ኢየሱስ ናብ ማዕዶ ሃገር ጌርጌሴኖን ምስ በፅሐ፥ ሓደ እኳ በታ መንገዲ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ የመና ኽፉኣት ዝነበሩ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት፥ ካብ መቓብራት ወፂኦም ተራኸብዎ። እንሆ ኸዓ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበፅሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ?” እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ። ካብኣቶም ርሕቕ ኢሉ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊሩ ነበረ። እቶም ኣጋንንቲ ድማ “እተውፅአና እንተ ዄንካስ፥ ናብዝ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ኸዓ፥ “ኪዱ!” በሎም። ወፂኦም ድማ ናብቶም ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸዓ እቶም መጓሰ ሓሰማታት፥ ናብቲ ባሕሪ ፀደፉ፤ ኣብቲ ባሕሪ እውን ጠሊቖም ሞቱ። እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፤ ኵሉ እቲ ዝኾነን ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎም ዝነበሩ ሰባትን ከዓ ኣውረዩ። እንሆ ድማ ዅሎም ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ንኢየሱስ ክራኸብዎ ወፁ፤ ምስ ረአይዎ ድማ ኻብ ዓዶም ክወፀሎም ለመንዎ። ኢየሱስ ናብ ጃልባ ደዪቡ ባሕሪ ምስ ተሳገረ፥ ናብ ዓዱ በፅሐ። እንሆ ኸዓ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ መፃጕዕ ናብኡ ኣምፅኡሉ፤ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ኣይዞኻ ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ። እንሆ ኸዓ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕጊ ብልቦም “እዙይስ ንእግዚኣብሄር ይፃረፍ ኣሎ” በሉ። ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ክፉእ እትሓስቡ? ኣየናይ ይቐልል? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተስእሞ ኺድ!’ ምባል? እምበኣርከስ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ሽዑ ነቲ መፃጕዕ “ተስእ! ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ። ተሲኡ ድማ ናብ ገዛኡ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ሪኦም ተደነቑ፤ ንሰብ ከምዙይ ዝበለ ስልጣን ንዝሃበ እግዚኣብሄር ድማ ኣመስገንዎ። ብድሕሪዙይ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ ማእዲ ምስ ተቐመጠ፥ እንሆ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። ፈሪሳውያን ከዓ ነዙይ ሪኦም ንደቀ መዛሙርቱ፦ “መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ስለ ምንታይ ይበልዕ?” በልዎም። ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ‘ምሕረት ደኣ እምበር፥ መስዋእቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ’ ዝብል እንታይ ምዃኑ ኺዱ መርሚርኩም ፍለጡ። ኣነ ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ኽፅውዕ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም። ሓድሽ ቝራፅ ዓለባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደ እኳ የለን፤ እቲ መልገባ ነቲ ጥዑይ ይቐዶ እዩ እሞ፥ እቲ ምቕዳዱ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ፥ ኣብ ዝበለየ ሓርቢ ኣይመልእዎን እዮም፤ እንተ ተገብረውን፥ እቲ ሓርቢ ይቕደድ፤ እቲ ወይኒ እውን ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ኸዓ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ፤ ክልቲኦም ድማ ይተሓላለዉ” በሎም። እዝ ነገራት እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ መፂኡ፥ “ጓለይ ሕዚ ሕዚ ሞይታ! ነዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ኽትሓዊ እያ” እናበለ ሰገደሉ። ጐይታ ኢየሱስ ድማ ተሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተሎ። ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ረአያ እሞ፥ “ኣይዞኺ ጓለይ! እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት። ኢየሱስ ኣብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ በፅሐ፥ ነፋሕቲ መለኸት ሓዘንን ዋይ ዋይ ዝብሉ ህዝብን ምስ ረአየ፤ “እዛ ጓል ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፥ ኣይሞተትን እሞ ድሕር በሉ!” በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሓቕዎ። እቶም ህዝቢ ምስ ወፁ፥ ኣትዩ ኢዳ ሓዛ፤ እታ ጓል ከዓ ተስአት። ኣብ ኵላ እታ ሃገርውን ዝናኡ ተሰምዐ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ፥ እቶም ዕዉራት ናብኡ መፁ፤ ኢየሱስ ድማ፥ “እዙይ ክገብር ከም ዝኽእልዶ ተኣምኑ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ጐይታ” በልዎ። ንሱ ድማ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” እናበለ ኣዒንቶም ዳህሰሶም። ሽዑ ኣዒንቶም በርሃ። ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግሩ” ኢሉ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም። ንሳቶም ግና ወፂኦም፥ ኣብ ኵላ እታ ዓዲ ብዛዕባኡ ኣውረዩ። ንሳቶም ምስ ወፁ ድማ፥ ጋኔን ዝሓደሮ በሃም ኣምፅኡሉ። ኢየሱስ ነቲ ጋኔን ምስ ኣውፅኦ እቲ በሃም ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ “ከምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተርኣየን” ኢሎም ተገረሙ። ፈሪሳውያን ግና፥ “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ” በሉ። ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ግፉዓትን ዝተበታተኑን ነበሩ እሞ ራህርሀሎም። ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣዝመራኡ ብዙሕ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም። ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ሰራሕተኛታት ክሰድድ ለምንዎ” በሎም። ስም ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ድማ፦ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦን፥ ሓዉ እንድርያስ፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፥ ሓዉ ዮሃንስ፥ ፊልጶስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ቶማስ፥ እቲ ተቐባሊ ቐረፅ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ታዴዎስ ዝተብሃለ ልብድዮስ፥ ስምኦን ቀናኢን፥ እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን እዩ። ኢየሱስ ነዞም ዓሰርተ ኽልተ ለኣኾም። ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ “ናብተን ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኣ ቤት እስራኤል ደኣ እምበር፥ ናብ ምድሪ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፤ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። ኬድኩም ድማ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ምዉታን ኣተስኡ፤ ለምፃማት ኣንፅሁ፤ ኣጋንንቲ ኣውፅኡ፤ ብዘይ ዋጋ ኣብ ቅናውትኹም ወርቂ፥ ብሩር፥ ወይ ነሃስ፥ ኣይትሓዙ። ከምኡ ኸዓ ስንቂ ንመንገዲ፥ ወይ ክልተ ኽዳን፥ ወይ ኣሳእን፥ ወይ በትሪ ኣይትሓዙ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ። ኣብ ዝኣተኹምዋ ኸተማ ወይ ዓዲ፥ ኣብኣ እቲ ብቑዕ መን ከም ዝኾነ ጠይቑ፤ ክሳዕ እትወፁ ድማ፥ ኣብኣ ፅንሑ። ኣብ ገዛ ኽትኣትዉ እንተለኹም ሰላም በልዎ። እቲ ገዛ እቱይ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ ሰላምኩም ይሕደሮ፤ ዘይግብኦ እንተ ኾይኑ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖምኹም ግና፥ ካብታ ገዛ ወይ ካብታ ኸተማ ኽትወፁ እንተለኹም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንምድሪ ሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ካብ ክፉኣት ሰባትውን ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ናብ መጋባእያታት ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶም ድማ ኽገርፉኹም እዮም እሞ። ንኣኣቶምን ንኣህዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም። ኣሕሊፎም ክህቡኹም እንተለዉ፥ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ከም እትዛረቡ ኽወሃበኩም እዩ እሞ፥ ከመይ ወይ እንታይ ክንዛረብ ኢና ኢልኩም ኣይትጨነቑ። መንፈስ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እዩ፥ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዝዛረብ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ። ሓው ንሓዉ፥ ኣቦ ንውሉዱ፥ ንሞት ኣሕሊፉ ኽህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ክለዓሉ፥ ክቐትልዎምውን እዮም። ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሉ ሰብ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ። ካብዛ ዓዲ እዚኣ እንተ ኣሳጐጕኹም፥ ናብ ካልእ ህደሙ፤ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ከተማታት እስራኤል በፂሕኹም ከም ዘይትውድእወን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ካብ መምህሩ ዝበልፅ ተምሃራይ፥ ካብ ጐይታኡ ዝበልፅ ኣገልጋሊ የለን። ተምሃራይ ከም መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ኸም ጐይታኡ እንተ ኾነ ይኣኽሎ እዩ። ንበዓል ገዛ ‘ብኤል ዜቡል’ ካብ በልዎ፥ ንቤተሰቡ ግዳ ኸመይ ብዙሕ ዘይብልዎም። ብፀልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም። ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም ንስኻትኩም ግና፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኹም እኳ ቝፁራት እየን። እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ፥ እምብዛ ትበልፁ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሑ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኽሕደኒ ግና፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። “ኣነ ናብ ምድሪ ሰላም ከውርድ ዝመፃእኹ ኣይምሰልኩም፤ ሰይፊ ወዲ ኻብ ኣቦኡ፥ ጓል ካብ እኖኣ፥ መርዓት ካብ ሓማታ፥ ክፈላሊ እየ ዝመፃእኹ። ንሰብ ፀላእቱ፥ ቤተሰቡ ክኾኑ እዮም። እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱ ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። እቲ መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ንህይወቱ ኸድሕና ዝደለየ ኸጥፍኣ እዩ፤ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኸድሕና እዩ። ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል፥ ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፤ ንፃድቕ ብስም ፃድቕ ዝቕበልውን፥ ዓስቢ ፃድቕ ይረክብ። ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ፥ ብስም ደቀ መዝሙረይ ፅዋዕ ዝሑል ማይ ዘስቲ፥ ዓስቡ ኸቶ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣብ ከተማታቶም ክምህርን ክሰብኽን ካብኡ ሓለፈ። “እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ፥ ወይ ድማ እንፅበዮ ኻልእ ኣሎ?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ፦ “ኬድኩም፥ እዝ እትሰምዕዎን እትሪእዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ። ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምዉታን ይትስኡ፤ ድኻታት ወንጌል ይብሰሩ ኣለዉ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁእ እዩ” በሎም። እንታይ ደኣ ኽትሪኡ ወፃእኹም? ብቐጭን ክዳውንቲ ዘጌፀ ሰብ? ቀጭን ክዳውንቲ ዝኽደኑስ እንሆ ኣብ ኣብያተ ነገስታት ኣለዉ። እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይ ኽትሪኡ? እወ፥ እኳ ደኣ ኻብ ነቢይ ዝበልፅ እዩ እብለኩም ኣለኹ። ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ ኣነ ቐቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ኣቐዲመ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ እሞ። ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይተስአ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና፥ እቲ ኻብኡ ዝንእስ እዩ ዝዓብዮ። ካብ ዘመን መጥምቕ ዮሃንስ ክሳዕ ሎሚ፥ መንግስተ ሰማያት ትግፋዕ ኣላ፤ እቶም ዝገፍዑ ክትቅበልዎ እንተ ደኣ ደሊኹም፥ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ኤልያስ፥ ንሱ ዮሃንስ እዩ። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ። “ነዝ ትውልዲ እዙይ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም፥ መሓዙቶም ዝፅውዑ ቘልዑ እዩ ዝመስል። ከምዙይ ከዓ ይብልዎም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ ዮሃንስ እንተይበልዐን እንተይሰተየን እንተ መፀ ጋኔን ኣለዎ ይብሉ። ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን እንተ መፀ ኸዓ፥ እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ይብሉ። ጥበብ ግና ብደቃ ፀደቐት።” “ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን። ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዝቐለለን፥ እነግረክን ኣለኹ። ኣቲ ቅፍርናሆም፥ ንስኺ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ተልዓልኪ፥ ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ፤ እቲ ኣባኺ ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ሰዶም ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ክሳዕ ሎሚ ምሃለወት ነይራ። ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኽስ ንምድሪ ሰዶም ከም ዝቐለላ እነግረኪ ኣለኹ።” እወ፥ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ ኸምኡ እዩ እሞ። ካብ ኣቦይ ኵሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ፥ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን። ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።” በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ፥ ብሰንበት ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ፥ ሸዊት እናቐንጠቡ ኽበልዑ ጀመሩ። ፈሪሳውያን ድማ እዙይ ሪኦም “ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ። ንሱ ድማ፦ “ዳዊት ምስ ጠመየ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ ንኻህናት ንበይናቶም እምበር፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ ክበልዕዎ ዘይግባእ ሕብስቲ ቝርባን፥ ከም ዝበልዐዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብሰንበት፥ ንሰንበት ከም ዝስዕርዋ፥ በደል ከዓ ኸም ዘይኾኖም ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? ኣነ ግና ኻብ ቤተ መቕደስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ፥ እብለኩም ኣለኹ። ግና ‘ካብ መስዋእቲ፥ ምሕረት እፈቱ’ ዝበሎ እንታይ ምዃኑ እንተ እትፈልጡስ፥ ነዞም በደል ዘይብሎም ኣይምፈረድኩምዎምን ኔርኩም፤ ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ እሞ” በሎም። ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እንሆ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ክኸስዎ ኸዓ፥ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ይግባእ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ ከዓ፦ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፥ ብሰንበት ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፥ ሒዙ ዘየውፅኣ ሰብ መን እዩ? ካብ በጊዕስ ሰብዶ ግዳ እምብዛ ኣይበልፅን? እምበኣር ብሰንበት ፅቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ” በሎም። ሽዑ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ ዘርግሓ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት። ፈሪሳውያን ግና ኻብኡ ወፂኦም ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ተማኸሩ። ኢየሱስ ድማ ነዙይ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ ተኸተልዎ፤ ንዅሎምውን ኣሕወዮም። ከየግህድዎ ድማ ኣጠንቀቖም። እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ ንኣህዛብ ድማ ፍትሒ ኸብስር እዩ። ሓደ እኳ ኣብ ኣደባባይ ድምፁ ኣይሰምዕን እዩ። ንዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። ተብሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ከዓ “እዙይስ እቲ ወዲ ዳዊትዶ ኣይኮነን?” ኢሎም ተደነቑ። ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፥ “እዙይ ብሓለቓ ኣጋንንቲ ‘ብብኤል ዜቡል’ እዩ እምበር፥ ንኣጋንንቲ ኣየውፅኦምን እዩ” በሉ። እምበኣር ሰይጣን ንሰይጣን ዘውፅኦ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ንስንሳቱ ተፈላልዩ ማለት እዩ፤ እታ መንግስቱኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም? ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ፥ ደቅኹም ደኣ ብመን የውፅእዎም? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድቲ ክኾኑኹም እዮም። ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ እምበኣር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም መፂኣ ኣላ ማለት እዩ። እቲ ምሳይ ዘይኮነ ተፃራርየይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከዓ ይብትን። ስለዙይ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ይሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዘይግባእ ቃል ዝተዛረበ ኽሕደገሉ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ዘይግባእ ዝተዛረበ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኾነ፥ ኣብታ እትመፅእ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ። ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፥ ክፉኣት እንተለኹም፥ ከመይ ኢልኩም ፅቡቕ ምዝራብ ትኽእሉ? “እዛ ኽፍእትን ዘይተኣምንን ትውልዲ እዚኣ፥ ምልክት ትደሊ ኣላ፤ እንተ ኾነ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃባን እዩ። ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ። ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ተሲኦም ክዅንንዋ ንግስቲ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ተሲኣ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ኽትኵንና “ርኹስ መንፈስ፥ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ ማይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዀለል ይብል፤ ግና ኣይረክብን። ሽዑ ‘ናብቲ ዝወፃእኹሉ ቤተይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል፤ እንተ መፀ ድማ፥ ጥራሑን ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይረኽቦ። ድሕሪዙይ ይኸይድ እሞ፥ ካብኡ ዝገደዱ ሸውዓተ ኻልኦት ርኹሳት መናፍስቲ ሒዙ ይመፅእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሓድሩ። ነቲ ሰብ እቱይ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ይኸውን፤ ነዝ ኽፉእ ትውልዲ እዙይ ድማ፥ ከምኡ ክኾኖ እዩ።” ሓደ ሰብ ከዓ “እኖኻን ኣሕዋትካን ከዘራርቡኻ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” በሎ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኢዱ ዘርጊሑ እናመልከተ “እኖይን ኣሕዋተይን እዚኣቶም እዮም። ኵሉ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር፥ ንሱ ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኢየሱስ ካብ ቤት ወፂኡ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። ብምስላ ድማ ኸምዙይ እናበለ ብዙሕ ነገሮም፤ “እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ፤ ክዘርእ እንተሎ ገሊኡ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ ነበረ፤ ኣዕዋፍ መፂኦም ድማ በልዕዎ። ገሊኡውን ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ፥ ቀልጢፉ በቘለ። ፀሓይ ምስ በረቐት ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ። ገሊኡ ድማ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ዓብዩ ሓነቖ። ገሊኡ ግና ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ሰላሳ ድማ ፈረየ። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።” ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ስለ ምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘለኻ?” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን። ንዘለዎ ይወሃቦ ይበዝሐሉውን፤ ንዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ። እናረአዩ ኣይሪኡን፤ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፤ ወይ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፥ ስለዙይ እየ ብምስላ ዝዛረቦም ዘለኹ። ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። ብዙሓት ነቢያትን ፃድቃንን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ክሪእዎ ተመንዮም ከም ዘይረአይዎ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ክሰምዑዎ ተመንዮም ከም ዘይሰምዑዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። “እምበኣር ንስኻትኩም ናይቲ ዘራኢ ምስላ ስምዑ። ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ። እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ግና፥ ነቲ ቓል ሰሚዑ ሽዑ ብሓጐስ ዝቕበሎ ሰብ እዩ። እንተ ኾነ ሱር ስለ ዘይብሉ ንጊዜኡ እዩ እምበር፥ ስለ እቲ ቓል ስደት ወይ መከራ ምስ ኮነ፥ ሽዑ ንሽዑ ይኽሕድ። እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ። እቲ ኣብ ፅቡቕ መሬት ዝተዘርአ ግና፥ እቲ ነዝ ቓል ሰሚዑ ዘስተውዕል እዩ፤ ንሱውን ፍረ ይፈሪ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡውን ሰላሳ ይህብ እዩ።” ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራቱ ፅቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ እያ እትመስል። እቶም ቤተሰቡ ደቂሶም እንተለዉ፥ ፀላኢኡ መፂኡ፥ ኣብቲ ማእኸል ስርናይ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። እቲ በቝሊ ዓብዩ ምስ ፈረየ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተርኣየ። ኣገልገልቲ እቲ በዓል ግራት መፂኦም ‘ጐይታይ! ኣብ ግራትካ ፅሩይ ዘርኢዶ ዘሪእኻ ኣይነበርካን? እዝ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መፀ?’ በልዎ። ‘ነዙይስ ፀላኢ እዩ ዝገበሮ’ በሎም፤ እቶም ኣገልገልቱ ግና፥ ‘እምበኣር ኬድና ኽንፃህዮዶ ትደሊ ኢኻ?’ በልዎ። ንሱ ድማ ‘ክርዳድ ክትፃህዩ እንተለኹም ምስኡ ስርናይ ከይትብቍሱስ፥ ክሳዕ ቐውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም፤ ብእዋን ቀውዒ ነቶም ዓፃዶ፥ ቅድም ነቲ ኽርዳድ በቁስዎ፤ ክነድድ ድማ በብእንዳእቲ እሰርዎ፤ ነቲ ስርናይ ግና፥ ኣብ ቆፎይ ኣእትውዎ’ ኽብሎም እየ” በሎም። ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ንሳ ድማ ኻብ ኵሉ ኣዝርእቲ ትንእስ፥ ምስ በቘለት ግና ኣዕዋፍ ሰማይ መፂአን፥ ኣብ ጨናፍራ ኽሳዕ ዘዕርፋ፥ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን።” ካልእ ምስላውን ነገሮም፤ “መንግስተ ሰማያት ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰትሉ፥ ማይ ብሒቝ ትመስል።” ድሕሪዙይ ነቶም ህዝቢ ኣፋንዩ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፥ ምስላ ናይቲ ኽርዳድን [ስርናይን] ግራትን ተርጕመልና በልዎ። ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ፅሩይ ዘርኢ ዝዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፤ እታ ግራት ዓለም እያ፤ ፅሩይ ዘርኢ ድማ፥ ደቂ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና፥ ደቂ እቲ እኩይ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ፀላኢ ኸዓ፥ ዲያብሎስ እዩ፤ ቀውዒ ድማ፥ መወዳእታ ዓለም እዩ፤ እቶም ዓፃዶውን፥ መላእኽቲ እዮም። እምበኣር ነቲ ኽርዳድ ኣኪቦም ብሓዊ ኸም ዘቃፅልዎ፥ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ። ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን፥ ገበርቲ ኽፉእን፥ ካብ መንግስቱ ኽኣርይዎም እዮም። ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኽድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። ሽዑ ፃድቃን ኣብ መንግስቲ ሰማያዊ ኣቦኣቶም ከም ፀሓይ ክበርሁ “መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራት ዝተሓብአ ሃብቲ እሞ፥ ሓደ ሰብ ምስ ረኸቦ ዝሓብኦ፥ ካብ ታሕጓሱ ዝተልዓለ ኸዓ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ግራት ዝዕድግ ትመስል። ምስ መልአት ናብ ደንደስ ኣውፅእዋ፤ ተቐሚጦም ድማ ፀፅቡቑ ኣርዮም ኣብ ኣቕሓ ኣከቡ፤ ነቲ ሐሕማቑ ግና ንወፃኢ ደርበይዎ። ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ፤ መላእኽቲ መፂኦም ነቶም ክፉኣት፥ ካብ ማእኸል ፃድቃን ክፈልይዎም እዮም። ናብ እቶን ሓዊውን ክድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ኸዓ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።” ኣስዒቡ ኸዓ “ነዝ ዅሉስ ተረዲእኹምዎዶ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እምበኣርከስ ኵሉ ናይ መንግስተ ሰማያት ደቀ መዝሙር ዝኾነ መምህር ሕጊ፥ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ነገራት ዘውፅእ፥ በዓል ገዛ እዩ ዝመስል” በሎም። ኢየሱስ ነዘን ምስላታት እዚኣተን ምስ ፈፀመ ኻብኡ ኣግለሰ። ናብ ዓዱ መፂኡ ኸዓ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወዲ እቲ ፀራቢዶ ኣይኮነን? እኖኡስ ማርያምዶ ኣይኮነትን? ኣሕዋቱስ ያእቆብ፥ ዮሳ፥ ስምኦን፥ ይሁዳዶ ኣይኮኑን? ኵለን ኣሓቱስ እተን ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን? እዝ ዅሉ [ጥበብን ሓይልን] ደኣ ኻበይ ኣምፅኦ?” በሉ፤ ብእኡ ኸዓ ተዓንቀፉ። ኢየሱስ ግና “ነቢይ፥ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ገዛኡን ኣይነዓቕን” በሎም። ብሰንኪ ጕድለት እምነቶም ድማ፥ ኣብኡ ብዙሕ ተኣምራት ኣይገበረን። በቲ ጊዜ እቱይ ገዛኢ ገሊላ ሄሮድስ ንሓሻኽሩ ድማ “እዙይ መጥምቕ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ ኣሎ፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ተኣምራት እዙይ ብእኡ ይግበር ኣሎ” በሎም። ሄሮድስ ብሰንኪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፥ ንዮሃንስ ሒዙ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ። ዮሃንስ “ሰበይቲ ሓውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን እዩ” ይብሎ ነበረሞ። ክቐትሎ እኳ እንተ ደለየ፥ እቶም ህዝቢ ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ይፈርሖም ነበረ። በዓል ልደት ሄሮድስ ምስ ኮነ፥ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእኸሎም ሳዕሲዓ ንሄሮድስ ኣሐጐሰቶ፤ ሽዑ ዝደለየቶ ኽህባ መሓለላ። ንሳ ኸምቲ እኖኣ ኣቐዲማ ዝመኸረታ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ። እቲ ንጉስ ሓዘነ፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ክህብዋ ኣዘዘ። ሰብ ልኢኹ ድማ፥ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ። ነታ ርእሱ ብፃሕሊ ኣምፂኦም፥ ነታ ጓል ሃብዋ፤ ንሳ ድማ ወሲዳ ንኖኣ ሃበታ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ድማ መፂኦም፥ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ ከይዶምውን ንኢየሱስ ነገርዎ። ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ፥ ንበይኑ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ሰሚዖም ከካብ ዓዶም ተኣኪቦም ብእግሪ ተኸተልዎ። ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ራህርሀሎም፤ ንሕሙማቶም ድማ ኣሕወየ። ምስ መሰየ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም “እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን ሓሊፉ እዩ፤ ስለዙይ እዞም ህዝቢ ናብ ዓድታት ከይዶም፥ ንባዕላቶም ምግቢ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ። ኢየሱስ ግና “ብጥሙዮም ክኸዱ ኣይግባእን እዩ፤ ንስኻትኩም ደኣ ዝብላዕ ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ እንትርፊ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ካልእ የብልናን” በልዎ። ንሱ ግና “ናባይ ኣምፅእወን” በለ። ነቶም ሰባትውን ኣብ ሳዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ፥ ኣመስጊኑ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም። ኵሎም በሊዖም ፀገቡ፤ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ። እቶም ዝበልዑ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ነበሩ። ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብቶም፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዮም፥ ናብ ማዕዶ ኽቕድምዎ ኣዘዞም። ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ኸዓ፥ ክፅሊ በይኑ ናብ እምባ ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ድማ፥ በይኑ ኣብኡ ነበረ። እታ ጃልባ [ሓሙሽተ ኺሎ ሜትር ኣቢላ] ኻብ ምድሪ ርሒቓ ነበረት፤ ኢየሱስ ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብልዕሊ ባሕሪ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ “ምትሃት እዩ” ኢሎም ተሸበሩ፤ ካብ ፍርሓት ዝተልዓለውን ኣእወዩ። ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ ጴጥሮስ መሊሱ፥ “ጐይታ! ንስኻ እንተ ዄንካስ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናባኻ ኽመፅእ ኣዝዘኒ” በሎ። ንሱ ድማ “ነዓ!” በሎ፤ ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናብ ኢየሱስ ከደ። ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ። ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ “ኣታ እምነት ዝጐደለካ፥ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ?” በሎ። ናብ ጃልባ ምስ ደየቡ ግና፥ እቲ ንፋስ ሃድአ። እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸዓ “ንስኻ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ!” እናበሉ ሰገዱሉ። ባሕሪ ተሳጊሮም ድማ፥ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ በፅሑ። እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፥ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዘለዋ ዅለን ዓድታት ልኢኾም፥ ንዅሎም ሕሙማት ኣምፅኡሉ። ዘፈር ክዳኑ ኽነኽኡ ጥራሕ ለመንዎ፤ ኵሎም ዝነኽእዎ ድማ ሓወዩ። ድሕሪዙይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥ “ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ስርዓት ዓበይቲ ዝጥሕሱ? እንጀራ እንትበልዑ ኣእዳዎም ኣይሕፀቡን ኢዮም” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ስለ ምንታይ ደኣ ንስኻትኩም፥ ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? እግዚኣብሄር፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡን ንኖኡን ዝፀርፍ ፈፂሙ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ። ንስኻትኩም ግና እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ገይረዮ እየ’ ዝብል ሰብ፥ ‘ነቦኡ ወይ ንኖኡ ከኽብር ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ፤ ስለዙይ ምእንቲ ስርዓትኩም ቃል እግዚኣብሄር ትስዕሩ፤ ብዛዕባኻትኩም ሓቂ ተነበየ።’ ” ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ “ስምዑ! ኣስተውዕሉውን! ንሰብ ዘርክሶ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እምበር፥ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፥ “ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም ዝተዓንቀፉስ ፈሊጥካዶ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ መሊሱ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዅሉ ተኽሊ ኽብቈስ እዩ፤ ሕደግዎም፤ ዕዉራን፥ መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም። ጴጥሮስ ድማ “ነዝ ምስላ እዙይ ተርጕመልና” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩምውንዶ ገና ኣየስተውዓልኩምን? ኵሉ እቲ ብኣፍ ዝኣቱ፥ ናብ ከብዲ ኸም ዝሓልፍ እሞ፥ ንደገ ኸም ዝወፅእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እቲ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ግና፥ ካብ ልቢ እዩ ዝወፅእ እሞ፥ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ። እዙይ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ብዘይተሓፀበ ኢድ ምብላዕስ ንሰብ ኣየርክሶን” በሎም። ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣግለሰ። እንሆ ድማ ሓንቲ ከነዓናዊት ሰበይቲ፥ ካብ ከባቢ እቲ ዓዲ መፂኣ “ኦ ጐይታ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ክፉእ ጋኔን ሒዙዋ የሳቕያ ኣሎ እሞ ራህርሀለይ!” እናበለት ዓው ኢላ ድምፂ ኣስምዐት። ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቐሪቦም “ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣሰናብታ!” ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ግና “እንትርፊ ናብቶም ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ። ንሳ ግና “ጐይታይ ርድአኒ” እናበለት ቀሪባ ሰገደትሉ። ንሱ ኸዓ መሊሱ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን” በላ። ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ! ኣኽላባትውንኮ፥ ካብ ማእዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ። ሽዑ ኢየሱስ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓብዪ እዩ፤ ከም ዝደለኺዮ ይኹነልኪ!” በላ። እታ ጓላውን በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት። ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ብወሰን ባሕሪ ገሊላ ኸደ፤ ናብ እምባ ደዪቡ ድማ፥ ኣብኡ ተቐመጠ። ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሓንካሳት፥ ዕዉራት፥ ፀማማት፥ ቈራያት፥ ብዙሓት ካልኦትውን ምስኣቶም ሒዞም ናብኡ ቐረቡ፤ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስውን ኣቐመጥዎም፤ ንሱ ኸዓ ኣሕወዮም። እቶም ህዝቢ ድማ፥ በሃማት እንትዛረቡ፥ ቈራያት እንትሓውዩ፥ ሓንካሳት እንትኸዱ፥ ዕዉራትውን እንትሪኡ ተመልኪቶም ተገረሙ እሞ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ቀንዮም እዮም፤ ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ፤ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኸይደኽሙ፥ ብጥሙዮም ከፋንዎም ኣይደልን” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ኣብዝ በረኻ እዙይ ደኣ፥ ንኽንድዙይ ዝኣክል ህዝቢ ዘፅግብ እንጀራ፥ ካበይ ክንረክብ ኢና?” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ እንጀራኸ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ እንጀራን ቁሩብ ዓሳን” በልዎ። ነቶም ህዝቢ ኸዓ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም። ሽዑ ነተን ሸውዓተ እንጀራን ነቲ ቑሩብ ዓሳን ኣልዒሉ ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡ። ኵሎምውን በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ። እቶም ዝበልዑ ኸዓ፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ። ነቶም ህዝቢ ምሰፋነዎም ድማ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ወሰን መጌዶል ከደ። ኢየሱስ ድማ “ምስ መሰየ ‘ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፥ ፃሓ ክኸውን እዩ’ ትብሉ፤ ምስ ወግሐ ድማ ‘ደመና ኾይኑ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፥ ሎምስ ክዘንም እዩ’ ትብሉ፤ ኣቱም ግብዛት! ገፅ ሰማይ ምልላይ ትፈልጡ፤ ናይ ዘመናት ምልክት ደኣ ኸመይ ዘይትፈልጡ? ክፉእን ዘይኣምንን ትውልዲ፥ ምልክት ይደሊ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ግና፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ” በሎም። ሓዲጉዎም ከዓ ኸደ። ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ኽሳገሩ እንተለዉ እንጀራ ምሓዝ ረሲዖም ነበሩ፤ ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፥ ተጠንቀቑ ተዓቀቡውን” በሎም። ንሳቶም ግና “እንጀራ ስለ ዘይሓዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተዘራረቡ። ኢየሱስ ድማ ፈሊጥዎም “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም ንስንሳትኩም ትዘራረቡ? ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? እቲ ሓሙሽተ እንጀራ፥ ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም? ወይ ድማ እቲ ሸውዓተ እንጀራ፥ ነርባዕተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም? እቲ ‘ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑ’ ዝበልኩኹምከ ብዛዕባ እንጀራ ኸም ዘይኮነ፥ ንምንታይ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም። ንሳቶም ድማ ኢየሱስ ተጠንቀቑ ዝበሎም ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ደኣ እምበር፥ ካብ ማይ ብሒቝ እንጀራ ኸም ዘይኮነ ሽዑ ኣስተውዓሉ። ኢየሱስ ኣብ ናይ ፊልጶስ ሃገር ቂሳርያ ምስ በፅሐ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ?” ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ገሊኣቶም ‘ኤልያስ’ ገሊኣቶም ‘ኤርሚያስ’ ወይ ‘ሓደ ኻብ ቀዳሞት ነቢያት እዩ’ ዝብሉኻ ኣለዉ” በልዎ። ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ?” በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፥ ስጋን ደምን “ኣነ ኸዓ እብለካ ኣለኹ፤ ንስኻ ጴጥሮስ መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፤ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኻዮ ኸዓ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ” በሎ። ጴጥሮስ ከዓ ቕርብ ኢሉ፥ “ጐይታ! እዙይ ከቶ ኣባኻ ኣይብፃሕ” እናበለ ክኽልክሎ ጀመረ። ኢየሱስ ግና ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ፥ “ንስኻ ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዘይትሓስብ፥ ንኣይ ዕንቅፋት ኴንካኒ ኢኻሞ፥ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ!” በሎ። ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክኽተለኒ ዝደሊ ንህይወቱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ኣልዒሉ እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸዓ፥ ክረኽባ እዩ። ሰብ፥ ብዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ረቢሑስ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፥ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ? ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ፥ ምስ መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ፤ ሽዑ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ። ኻብዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ፥ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመፅእ እንተሎ ኽሳዕ ዝሪእዎ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ እንሆ፥ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንትዘራረቡ ተርኣዩዎም። ጴጥሮስ ድማ፥ ንኢየሱስ፥ “ኦ ጐይታ! ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ኣብዙይ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደውን ንኤልያስ” በሎ። ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ነኽኦምሞ “ተስኡ! ኣይትፍርሑ!” በሎም። ኣዒንቶም ንላዕሊ ቘላሕ እንተ በሉ ድማ፥ እንትርፊ ኢየሱስ በይኑ፥ ሓደ እኳ ኣይረአዩን። ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ፥ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ መሊሱ “እወ፤ ኣቐዲሙ ኤልያስ ክመፅእ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ኸቃንዕ እዩ። ኣነ ግና፥ ኤልያስ ድሮ መፂኡ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝደለዩ ገበሩ እምበር ኣይፈለጥዎን። ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ብኣኣቶም መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ ከም ዝበሎም ኣስተውዓሉ። ናብቲ ህዝቢ ምስ በፅሑ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐረበሞ ተንበርኪኹ፦ “ጐይታይ! ንወደይ መሓረለይ፤ በብወርሑ ዘውድቕ ሕማም እናተልዓሎ የመና ይሳቐ፤ ናብ ደቀ መዛሙርትኻውን ኣምፂአዮስ፥ ከሕውይዎ ኣይከኣሉን” በሎ። ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም። ሽዑ ኢየሱስ ገሰፆ፤ እቲ ጋኔን ከዓ ኻብኡ ወፀ፤ እቲ ቘልዓ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ምውፃኡ ዝሰኣንና?” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ “ብጕድለት እምነትኩም እዩ፤ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ሃልያትኩም፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ፥ ናብቱይ ተልዓል!’ እንተ በልኩምዎ ይለዓል፤ ዘይከኣለኩም ነገርውን የለን። እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ግና፥ ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኽቐትልዎ እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኽትስእ እዩ” በሎም፤ ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም ሓዘኑ። ናብ ቅፍርናሆም ምስ መፁ፥ እቶም ግብሪ ቤተ መቕደስ ዝቕበሉ ናብ ጴጥሮስ መፂኦም፥ “መምህርኩምስ ግብሪዶ ኣይኸፍልን እዩ?” በልዎ። ንሱ ድማ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ኢየሱስ ኣቐዲሙ “ስምኦን! እንታይ ይመስለካ? ነገስታት ምድሪ፥ ግብርን ቀረፅን ካብ መን ይቕበሉ? ካብ ደቆምዶ ወይ ካብ ካልኦት?” በሎ። ጴጥሮስ ከዓ “ካብ ካልኦት እባ” በለ። ኢየሱስ ድማ “እምበኣር ደቆምስ ነፃ እዮም። ግና ምእንቲ ኸይነዐንቅፎም፥ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፤ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፤ ኣፉ ምስ ከፈትካ ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር በታ ሰዓት እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ይዓቢ?” እናበሉ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ። ኢየሱስ ድማ ንሓደ ህፃን ናብኡ ፀዊዑ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦ “እንተ ዘይተመሊስኩም፥ ከምዝ ህፃን እዙይውን እንተ ዘይኴንኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ኸምዝ ህፃን እዙይ ንባዕሉ ዘትሕት፥ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ካብ ኵሉ ዝዓቢ። እቲ ንኸምዙይ ዝበለ ህፃን ብስመይ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ዘስሕት ድማ፥ እምኒ መጥሓን ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኢድካን ክልተ እግርኻን፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበ፥ ብቘራፅካ ወይ ብሓንካስካ ናብ ህይወት ክትኣቱ ይሕሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ድማ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ዓይንኻ፥ ናብ ገሃነም እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ ዝመፀ እሞ። እንታይ ይመስለኩም? ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክደሊዶ ኣይኸይድን? እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ዘይጠፍኣ ተስዓን ትሽዓተን፥ ብኣኣ የመና ኸም ዝሕጐስ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ከምኡ ድማ ኻብዞም ኣናእሽተይ ሓደ እኳ ኽጠፍእ፥ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም እንተ ዘይሰምዐካ ግና፥ ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እዩ ዝቐውም እሞ፥ ኣብ ካልኣይ ጊዜ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፤ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና፥ ከም ኣረማዊን ከም ተቐባሊ ቀረፅን ቍፀሮ። ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ኦ ጐይታ! ሓወይ እንተ በደለኒ ኽንደይ ሻዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተዶ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር፥ ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን።” ስለዙይ መንግስተ ሰማያት፥ ምስ ኣገልገልቱ ኽፀባፀብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል፤ ክፀባፀብ ምስ ጀመረ ዓሰርተ ሽሕ መክሊት ዝፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን፥ ሰበይቱን፥ ደቁን፥ ዘለዎ ዅሉ ሃብትን ክሽየጥ እሞ፥ እቲ ዕዳ ክኸፍል ኣዘዘ። እቲ ኣገልጋሊ ድማ ኣብ እግሩ ተደፊኡ፥ “ጐይታይ! ተዓገሰኒ ደኣ እምበር፥ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ለመኖ። እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ራህርሀሉሞ ፈትሖ፤ ዕዳኡውን ሓደገሉ። እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብፆቱ ሚእቲ ዲናር ሽዑ እቲ ብፃዩ ኣገልጋሊ “ተዓገሰኒ፤ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና ኣበዮ፤ ከይዱ ድማ ኽሳዕ ዕዳኡ ዝፈድዮ ኣእሰሮ። እቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ድማ፥ እቲ ዝገበሮ ሪኦም የመና ሓዘኑ፤ ከይዶምውን እቲ ዝኾነ ዅሉ ነገር ንጐይታኦም ነገርዎ። ሽዑ እቲ ጐይታኡ ፀዊዑ “ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ! ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ዅሉ ዕዳኻ ሓደግኩልካ፤ ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብፃይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብአካን?” በሎ። ጐይታኡ ኸዓ ተቘጢዑ ዅሉ ዕዳኡ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝፈዲ ንዘሳቕይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ። “እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።” ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ፈፀመ፥ ካብ ገሊላ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ምድሪ ይሁዳ በፅሐ። ብዙሓት ህዝቢ ድማ ተኸተልዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቶም ዝሓመሙ ኣሕወዮም። ፈሪሳውያን ድማ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ክፈትሓዶ ይግባእ እዩ?” እናበሉ ኽፍትንዎ ናብኡ መፁ። ንሱ ድማ መሊሱ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ‘ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም፥ ስለዙይ ድማ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ፤ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይኾኑ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?’ ስለዙይ እዚኣቶም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ፥ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም። ኢየሱስ ድማ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም እምበር፥ ካብ መጀመርታስ ከምኡ ኣይነበረን። ኣነ ግና ‘እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ፥ ካሊእውን ዘእቱ ይዝሙ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን፥ ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ ዘይምውሳብ ይሐይሽ” በልዎ። ካብ ከርሲ እኖኣቶም፥ ስሉባት ኮይኖም ዝተወለዱ ኣለዉ፤ ሰባት ስሉባት ዝገበርዎምውን ኣለዉ፤ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም፥ ንባዕላቶም ከም ስሉባት ዝገበሩውን ኣለዉ፤ ነዝ ትምህርቲ እዙይ ክቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ” በሎም። ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኽፅልየሎም፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም። ኢየሱስ ግና “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ንህፃናት ሕደግዎም፤ ናባይ ምምፃእ ኣይትኽልእዎም” በሎም። ኢዱ ምሰንበረሎም ድማ ኻብኡ ኸደ። ንሱ ድማ “ኣየነአን እየን?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቅ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ብፃይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ። እቲ ጐበዝ ድማ “ነዙይ ኵሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ ኣለኹ፤ እንታይ ደኣ እዩ ዝጐድለኒ?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ፍፁም ክትከውን እንተ ደሊኻስ፥ ኬድካ ዅሉ ዘለካ ሼጥካ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ መዝገብ ኽትረክብ ኢኻ እሞ፥ ነዓ ተኸተለኒ!” በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበሮ፥ ነዝ ቓልዙይ ምስ ሰምዐ እናሓዘነ ኸደ። መሊሱውን፥ ሃብታም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነዙይ ሰሚዖም “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል!” እናበሉ የመና ተገረሙ። ኵሉ ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ ኣቦ፥ እኖ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ። ግና ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ፥ ቀዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም። “መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ፥ ሰራሕተኛታት ክደሊ ኣንጊሁ ዝወፀ በዓል ቤት ትመስል። ምስቶም ሰራሕተኛታት፥ ንነፍሲ ወከፎም ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ብሰለስተ ሰዓት ምስ ወፀ ድማ፥ ስራሕ ዘይብሎም ካልኦት ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረአየ፤ ንኣኣቶም ከዓ ‘ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱ እሞ ስርሑ፤ እቲ ዝግባእ ክኸፍለኩም መሊሱ ድማ ብሽዱሽተን ብትሽዓተን ሰዓት ወፂኡ ኸምኡ ገበረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ሰዓትውን ወፂኡ፥ ካልኦት ደው ዝብሉ ረኸበ፤ ‘ንምንታይ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ኣብዙይ ደው እትብሉ?’ በሎም። ንሳቶም ከዓ ‘ስራሕ ዝቖፅረና ስለ ዝሰኣንና ኢና’ በልዎ። እምበኣር ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱሞ ስርሑ፤ ዝግባእ ክኸፍለኩም “ምስ መሰየ እቲ በዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዚ ገዛኡ ‘ነቶም ሰራሕተኛታት ፀውዓዮም፤ ካብቶም ዳሕረዎት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ደመወዞም ሃቦም’ በሎ። እቶም ብዓሰርተ ሓደ ሰዓት ናይ መዓልቲ ዝመፁ ቐሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ኸዓ፥ ካብቶም ዳሕረዎት ዝበዝሕ ዝቕበሉ መሰሎም፤ ግና ንሳቶምውን ደዲናሮም ተቐበሉ። ምስ ተቐበሉ ኸዓ ‘ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዝሰርሑ ዳሕረዎት፥ ድኻም መዓልትን ሓሩርን ምስ ዝፆርና ምሳና ኣደላዲልካዮም’ እናበሉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣጕረምረሙ። ንሱ ኸዓ ንሓደ ኻብኣቶም ‘ዓርከይ! ኣይዓመፅኩኻን፤ ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕኻንን? ዝብፅሐካ ደኣ ሒዝካ ኺድ፤ ነዝ ዳሕረዋይ ድማ ኽንዲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብርዶ ኣይግብአንን እዩ? ወይ ኣነ ለጋስ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ጠባን እዩ?’ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ እንተሎ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ወሰዶም፤ ኣብ መንገዲ ድማ “እንሆ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ፥ ንሊቃነ ካህናትን ንመምህራን ሕግን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ንሳቶምውን ንሞት ክፈርድዎ እዮም። ከላግፁሉን ክገርፍዎን ክሰቕልዎን ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ እዩ” በሎም። ኢየሱስ ከዓ “እንታይ ትደልዪ?” በላ። ንሳ ድማ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፥ ሓደ ብፀጋምካ ኽቕመጡ ግበረለይ” በለቶ። እቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም በቶም ክልተ ኣሕዋት ኰረዩ። ስለዙይ ኢየሱስ ፀዊዑ “ንኣህዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም፥ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ሓሽከርኩም ይኹን። ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም። ካብ ኢያሪኮ ኽወፁ እንተለዉ ኸዓ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ። እንሆ ድማ ኽልተ ዓይነ ስዉራት ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጦም ነበሩ እሞ፥ ኢየሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ሰሚዖም፥ “ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት መሓረና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ ክብሉ ገሰፅዎም፤ ንሳቶም ግና “ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት መሓረና!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ። ኢየሱስ ደው ኢሉ ፀውዖም እሞ፥ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኦ ጐይታ! ኣዒንትና ክኽፈታ” በልዎ። ኢየሱስ ድማ ራህርሀሎም፤ ኣዒንቶምውን ዳህሰሰ እሞ ሽዑ ረአዩ፤ ተኸተልዎውን። ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ፥ ኣብ ደብረ ዘይት ናብ እትርከብ ቤተ ፋጌ በፅሑ፤ ሽዑ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ “ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ እስርቲ ኣድጊ ምስ ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹምሞ፥ ፈቲሕኹም ኣምፅኡለይ። ዝኾነ ሰብ ‘እንታይ ትገብሩ ኣለኹም’ እንተበለኩም፥ ‘ጐይታ ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸይዶም ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። ነታ ኣድግን ነታ ገልገላን ኣምፅኡሉ፤ ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ጐዝጐዙሉ፤ ኢየሱስ ከዓ ተቐመጠ። እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ፤ ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እናሰልዑ ኣብቲ መንገዲ ይንስንሱ ነበሩ። እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡውን ዝስዕቡ ህዝቢ ኸዓ፥ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት፥ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ፤ ሆሳዕና ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸዓ፥ ኵላ እታ ኸተማ “መን እዩ እዙይ?” እናበለት ተናወፀት። እቶም ህዝቢ ድማ “እዙይ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ዝመፀ ነቢይ ኢየሱስ እዩ” በሉ። “ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ይበሃል’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መፁ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና፥ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም፥ ህፃናትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት” እንትብሉ ሰሚዖም ተናደዱ። “እዞም ቈልዑ ዝብልዎዶ ትሰምዕ ኣለኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እወ፥ እቲ ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ’ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም፤ ሓዲጉዎም ድማ ኻብታ ኸተማ ወፂኡ ናብ ቢታንያ ኸደ፤ ኣብኡውን ሓደረ። ንግሆ ናብ ከተማ ኽምለስ እንተሎ ጠመየ፤ ኣብ ጥቓ መንገዲ ኦም በለስ ሪኡ ናብኣ ኸደ፤ እንተ ኾነ ቘፅሊ ጥራሕ እምበር፥ ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ!” በላ፤ እታ ኦም በለስ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሪኦም፥ “እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት!” እናበሉ ተገረሙ። ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እምነት እንተ ሃልያትኩም እሞ፥ እንተ ዘይተጠራጢርኩም፥ እዛ ዕፀ በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራሕ ኣይኮነን እትገብሩ፤ ነዝ እምባ እዙይ ‘ተልዒልካ ናብ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በልኩምዎውን ክኾነልኩም እዩ። ኣሚንኩም ብፀሎት ዝለመንኩምዎ ዅሉ ኽትቅበሉ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም። ኢየሱስ ከዓ መሊሱ፦ “ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም፤ ነዚኣ እንተ ነጊርኩምኒ፥ ኣነውን በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እዩ? ካብ ሰማይ ድዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም። ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ እናበሉ ተዘራረቡ፤ “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ ‘ስለ ምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ፤ ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ድማ፥ ኵሎም ንዮሃንስ ከም ነቢይ ስለ ዝሪእዎ፥ ነቶም ህዝቢ ንፈርሖም ኢና።” ንኢየሱስ ከዓ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ “ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም። ቀፂሉ ኢየሱስ “እንታይ ይመስለኩም? ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፤ ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፥ ‘ወደይ፥ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ስራሕ’ በሎ። ንሱ ኸዓ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፤ ደሓር ግና ተናሲሑ ወፈረ። ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸዓ ኸምኡ በሎ፤ ንሱ ድማ ‘እሺ ጐይታይ’ በሎ፤ ግና ኣይወፈረን። ካብ ክልቲኦም ኣየናይ እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝፈፀመ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እቲ ቐዳማይ” በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ “ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው፥ ከም ዝቕድሙኹም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ዮሃንስ ብመንገዲ ፅድቂ ናባኻትኩም መፂኡ ነበረ እሞ፥ ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን ደኣ ኣመንዎ እምበር፥ ንስኻትኩምስ ኣይኣመንኩምዎን፤ ነዙይ ምስ ረአኹምውን ተናሲሕኹም ብእኡ ኣይኣመንኩምን” በሎም። ካልእ ምስላውን ስምዑ፥ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ በዓል ቤት ነበረ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚ ድማ ዀዓተሉ፤ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂብዎም ከዓ፥ ናብ ካልእ ሃገር ከደ። ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብ ፍረ ወይኑ ኸምፅኡሉ፥ ንኣገልገልቱ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ከዓ ነቶም ኣገልገልቱ ሒዞም፥ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፤ ንገሊኣቶም ቀተልዎም፤ ንገሊኣቶምውን ብእምኒ ቐጥቀጥዎም። ከምኡውን ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑ ኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ንኣኣቶምውን ከምኡ ገበርዎም። ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ፥ ወዱ ናብኣቶም ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ፥ ንስንሳቶም ‘እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ፥ ርስቱ ኽንወርስ’ ተባሃሃሉ። ሒዞም ድማ ኻብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣውፂኦም ቀተልዎ። እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ ነቶም ሓረስቶት እቲኣቶም እንታይ ኮን ይገብሮም?” ንሳቶም ከዓ “ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ ፍረኡ በብጊዜኡ ንዝህብዎ ኻልኦት ሓረስቶት ብብላዕ ይህቦም” በልዎ። ዝብልዶ ኣብ መፃሕፍቲ ኸቶ ኣየንበብኩምን? ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ይቕጥቀጥ፤ እቲ እምኒ እቱይ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ” በሎም። ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፥ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረበ ፈለጡ። ክሕዝዎ ድማ ደለዩ፤ ግና እቶም ህዝቢ ኸም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ንኣኣቶም ፈርሕዎም። ኢየሱስ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦ “መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ንሱ ነቶም ናብ መርዓ ዝተዓደሙ ኽፅውዕዎም ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ግና ኽመፁ ኣይደለዩን። መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት ‘እንሆ ድግሰይ ኣዳልየ ኣለኹ፤ ስቡሓት ዝራብዓተይን ኣብዑረይን ሓሪደ፥ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፥ ናብቲ መርዓ ንዑ በልዎም’ ኢሉ ንኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ። እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም፥ ገሊኣቶም ናብ ግራቶም እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ሒዞም ኣዋረድዎም፤ ቀተልዎምውን። እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ። ሽዑ ነቶም ኣገልገልቱ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ድግስ እቲ መርዓ ተሰናድዩ እዩ፤ ግና ነቶም ዕዱማት ኣይተገብኦምን። እምበኣርከስ ናብ ኣደባባያትን ናብ ቀራናት መንገድን ኪዱ እሞ፥ ንዅሉ ዝረኸብኩምዎ ናብ መርዓ ፀውዑ’ በሎም። እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መንገድታት ወፂኦም፥ ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ንዅሉ ዝረኸብዎ ኣከቡ፤ እቲ ናይ መርዓ ኣዳራሽውን ብተቐማጦ መልአ። ‘ዓርከይ! ክዳን መርዓ እንተይተኸደንካ፥ ከመይ ኢልካ ናብዙይ ኣቲኻ?’ በሎ፤ ንሱ ግና ስቕ በለ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ፦ ‘ኣእዳዉን ኣጋሩን ኣሲርኩም፥ ኣብ ወፃኢ ናብ ዘሎ ፀልማት ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ’ በሎም። ፅዉዓት ብዙሓት፥ ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ።” ድሕሪዙይ ፈሪሳውያን ብዘረባኡ ኸመይ ገይሮም ከም ዘጋግይዎ ኸይዶም ተማኸሩ። ንደቀ መዛሙርቶም ከዓ ምስ ናይ ሄሮድስ ሰባት ገይሮም፥ ከምዙይ ኢሎም ናብኡ ለኣኹ፦ “መምህር! ቅኑዕ ምዃንካ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓቂ ኸም እትምህር፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ድማ ኸም ዘይተዳሉ፥ ንሓደ እኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ንፈልጥ ኢና። እምበኣር እንታይ ይመስለካ እስኪ ንገረና? ንቄሳር ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ “ኣቱም ግብዛት! ንምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እቲ ናይ ግብሪ ገንዘብ እስኪ ኣርእዩኒ!” በሎም። ንሳቶም ከዓ ዲናር ኣምፅኡሉ። ኢየሱስ ድማ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሳር፥ ንቄሳር፥ ናይ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም። ነዙይ ሰሚዖም ተገረሙ፤ ሓዲጎምዎ ድማ ኸዱ። በታ መዓልቲ እቲኣ “ትንሳኤ ሙታን የለን” ዝብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መፂኦም፦ “መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ እቲ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ሓዉ የእትዋ፤ ንሓዉ ድማ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ኣሎ። እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ፤ እቲ ዓብዪ፥ ሰበይቲ ኣእትዩ እንተይወለደ ሞተ፤ ነታ ሰበይቱ ድማ ንሓዉ ሓደጋ፤ ከምኡ ድማ እቲ ኻልኣይን ሳልሳይን ክሳዕ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ እንተይወለዱ ሞቱ። ድሕሪ ዅሎም ከዓ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት። ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብጊዜ ትንሳኤ ሙታን ካብ ሸውዓቲኦም፥ ሰበይቲ ኣየነኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኣብ ጊዜ ትንሳኤስ፥ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም እምበር፥ ኣይዋሰቡን ኣየዋስቡን። ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ግና፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ዝተብሃለልኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ህዝቢ ነዙይ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተገረሙ። ፈሪሳውያን፥ ንሰዱቃውያን መልሲ ኸም ዘስኣኖም ሰሚዖም ኣብ ዙርያኡ ተኣከቡ። ካብኣቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ድማ፥ ክፍትኖ “መምህር፥ ካብ ኦሪት ኣየነይቲ ትእዛዝ ትዓቢ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፥ ብምሉእ ነፍስኻ፥ ብምሉእ ሓሳብካ ኣፍቅሮ፤’ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ እትብል እያ። ኵሎም ኦሪትን ነቢያትን፥ ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ተጠሪፎም ኣለዉ” በሎ። ፈሪሳውያን ተኣኪቦም እንተለዉ ኢየሱስ “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም? ወዲ መንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ወዲ ዳዊት” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ባዕሉ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ እናበለ፥ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ? እምበኣር ዳዊት ጐይታይ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን?” በሎም። እንተ ኾነ ሓደ እኳ ቓል ክምልሰሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ከምዙይ በሎም፦ “መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። ስለዙይ ኵሉ ንሳቶም ዝብሉኹም፥ ግበሩን ሓልዉን፤ ንሳቶም እቲ ንሰብ ዝምህርዎ ኣይገብርዎን እዮም እሞ፥ ከምቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ግና ኣይትግበሩ። ከቢድን [ምፅዋሩ ዘይምቹን] ፆር ጠሚሮም ንሰብ ኣብ ማእገሩ የሰክምዎ፤ ንባዕላቶም ግና በፃብዕቶም እኳ ኽነኽእዎ ኣይደልዩን። ኵሉ ዝገብርዎ፥ ሰብ ክሪአልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ። ኣብ ማእዲ ዝለዓለ ስፍራ፥ ኣብ ቤተ ፀሎቶም ኣብ ዕዳጋታት፥ ሰብ ኢድ ክነስአሎምን ‘መምህር’ ኢሉ ኽፅውዖምን ይፈትዉ፤ ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ ‘መምህር’ ኣይትበሃሉ፤ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ኣሕዋት ኢኹም። ኣብ ሰማይ ሓደ ኣቦ ስለ ዘለኩም፥ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦ ኢልኩም ኣይትፀውዑ። ሊቅኩም እቲ ንባዕሉ ዘልዕል፥ ክዋረድ እዩ፤ እቲ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ እሞ፥ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን።” ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንኽተምስሉ ኣብዚሕኹም ብምፅላይ፥ ኣባይቲ መበለታት ትብዝብዙ ኣለኹም፤ ስለዙይ ፅኑዕ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንሓደ ሰብ ናብ ሃይማኖትኩም ክተእትዉ፥ ባሕርን ምድርን እትዞሩ፤ ናብ እምነትኩም ምስ ኣተወ ድማ፥ ካባኻትኩም ብዕፅፊ ዝገደደ፥ ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! ኣቱም ‘ብቤተ መቕደስ ዝምሕል፥ ኣይበደለን ደሓን እዩ፤ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዝምሕል ግና፥ ብማሕላኡ ይተሓዝ’ እትብሉ፥ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም! ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? ወርቅዶ ወይ እቲ ንወርቂ ዝቕድሶ ቤተ መቕደስ? ‘ብመሰውኢ ዝምሕል ኣይቝፀሮን እዩ፤ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መስዋእቲ ዝምሕል ግና፥ ማሕላ ይኾኖ’ ትብሉ። ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? መስዋእቲዶ ወይ እቲ ንመስዋእቲ ዝቕድሶ መሰውኢ? እምበኣርከስ እቲ ብመሰውኢ ዝምሕል፥ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል። እቲ ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ከዓ፥ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል። እቲ ብሰማይ ዝምሕል ድማ፥ ብዙፋን እግዚኣብሄርን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል። ኣቱም ትኒንያ እተፅርዩ፥ ግመል ግና እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም! ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ! እቲ ፅዋዕን ፃሕልን ላዕላዩ ፅሩይ ምእንቲ ክኸውን፥ ኣቐዲምካ ነቲ ውሽጡ ሕፀቦ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ፃድቃን መሲልኩም ትረአዩ፤ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመፅን ዝመልአ እዩ። እምበኣርከስ፥ ደቂ ቐተልቲ ነቢያት ምዃንኩም፥ ባዕልኻትኩም ትምስክሩ ኣለኹም። ንስኻትኩምውን መስፈሪ ኣቦታትኩም ምልኡ። ኣቱም ኣትማን፥ ውሉድ ኣፍዑት፥ ከመይ ጌርኩምከ፥ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክተምልጡ? ስለዙይ እንሆ፥ ነቢያትን ጠቢባንን፥ መምህራን ሕግን እልእኸልኩም ኣለኹ፤ ንገሊኣቶም ክትቀትልዎምን ክትሰቕልዎምን፥ ንገሊኣቶም ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎትኩም ክትገርፍዎምን፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ክተሳጕጉዎምን ኢኹም። ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ። ናይዝ ዅሉ ፍዳ ነዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዝበፅሖ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” እንሆ ገዛኹም ዝፈረሰን ዝዓነወን ክኸውን እዩ። ደጊም ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ድሕሪ ሕዚ ኸም ዘይትሪኡኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ንሱ ድማ መሊሱ “እዝ ዅሉ ትሪእዎዶ ኣለኹም? ኣብዙይ፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ኸም ዘይተርፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝኾነ ሰብ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ! ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ፤ እዝ ዅሉ ብርግፅ ክኸውን እዩ፤ እንተ ኾነ መወዳእታኡ ሽዑ ኣይኮነን። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፥ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ። እዝ ዅሉ ናይ መጀመርታ ቕልውላው እዩ። በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ፅሉኣት ክትኮኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት እምነቶም ብምኽሓድ፥ ንስንሳቶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን ክፃልኡን ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክለዓሉ፥ ንብዙሓትውን ከስሕትዎም እዮም። ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ከዓ፥ ካብ ብዙሓት ሰባት ፍቕሪ ኽትንኪ እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ። ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።” እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ። እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝፀንሐ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኡ ንዘሎ ኽወስድ ኣይውረድ፤ እቲ ኣብ ግራት ዝፀንሐ ድማ፥ ክዳኑ ኽወስድ ኢሉ ንድሕሪት ኣይመለስ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን ንጥኑሳትን፥ ንመጥበውቲ ህፃናትን ወይለአን! ህድማኹም ብኽረምቲ ወይ ከዓ ብሰንበት ምእንቲ ኸይኸውን ፀልዩ። ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን፥ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ። እተን መዓልቲታት እቲኣተን እንተ ዘይሓፅራስ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ፤ ግና እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ክሓፅራ እየን። ሽዑ ዝኾነ ሰብ ‘ክርስቶስ እንሆ፥ ኣብዙይ ኣሎ’ ወይ ከዓ ‘ኣብቱይ ኣሎ’ እንተበለኩም ኣይትእመኑ። ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም። እምበኣር ‘እንሆ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣሎ’ እንተ በሉኹም፥ ናብኡ ኣይትኺዱ፤ ‘እንሆ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣሎ’ እንተ በሉኹምውን ኣይትእመኑ። መብረቕ ካብ ምብራቕ ወፂኡ፥ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝረአ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ። ገምቢ ኣብ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ እዮም ዝእከቡ።” ሽዑ ኸዓ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክረአ እዩ፤ እንሆ ድማ ዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን፥ ብደመና ሰማይ እንትመፅእ ምስ ረአይዎ ኽበኽዩ እዮም። ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።” ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ነዝ ዅሉ ነገራት እዙይ ምስ ረአኹም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። እዝ ኵሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።” ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ። ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ጊዜ፥ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ክበልዑን ክሰትዩን፥ ከውስቡን ክዋሰቡን ዝፀንሑ እሞ፥ ማይ ኣይሂ መፂኡ፥ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ሰባት ኣብ ሓደ ግራት ክህልዉ እዮም። እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ሓደ ድማ ኽሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፅእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፥ ነቒሕኩም ሓልዉ። ግና እዙይ ደኣ ኣስተውዕሉ፤ በዓል ገዛ በየነይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ ሰራቒ ኸም ዝመፅእ እንተ ዝፈልጥስ፥ ነቒሑ ምሓለወ ነይሩ፤ ገዛኡ ኽትኰዓት እንተላውን፥ ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። እምበኣርከስ ንስኻትኩምውን፥ ብዘይ ሓሰብኩምዋ ሰዓት ወዲ ሰብ ክመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።” “እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ኢሉ፥ ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝሸሞ፥ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ? እቲ ጐይታኡ ምስ መፀ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ኽፉእ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታይ ክድንጕ እዩ ኢሉ፥ ነቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ኽወቕዖም ይጅምር፤ ምስ ሰካራማት ድማ ይበልዕን ይሰትን። ጐይታ እቲ ኣገልጋሊውን፥ ብዘይ ተፀበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መፂኡ፥ ብዘሰቅቕ ሞት ይቐፅዖ፤ ካብኣተን እተን ሓሙሽተ ሰነፋት፥ እተን ሓሙሽተ ኸዓ ለባማት ነበራ። እተን ሰነፋት ቀቀንዲለን ሒዘን፥ ዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና፥ መምስ ቀንዲለን ዘይቲ ኣብ ሳርማአን ሒዘን ነበራ። መርዓዊ ምስ ደንጐየ ድማ፥ ኵለን ተታኺሰን ደቀሳ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ‘እንሆ መርዓዊ መፂኡ እዩ እሞ፥ ክትቅበሉ ውፁ!’ ዝብል ዋዕዋዕታን ዕልልታን ኮነ። ሽዑ ዅለን እተን ደናግል ተሲአን፥ ቀቀንዲለን ኣሰናደዋ። እተን ሰነፋት ግና ነተን ለባማት፥ ‘መብራህትና ኽጠፍአና ኢሉሞ፥ ካብ ዘይትኽን እንዶ ሃባና’ በላአን። እተን ለባማት ግና፥ ‘ናብቶም ዝሸጡ ደኣ ኼድክን ንባዕልኻትክን ዓድጋ እምበር፥ ንኣናን ንኣኻትክንን ዝኣክል የብልናን’ በላአን። ክዕድጋ ምስ ከዳ እቲ መርዓዊ መፀ፤ እተን ተዳልየን ዝፀንሓ፥ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፤ በሪ ድማ ተዓፅወ። ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መፂአን ‘ኦ ጐይታ፥ ኦ ጐይታ፥ ክፈተልና’ ” በላ። ንሱ ግና “ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፤ ኣይፈልጠክንን” እምበኣር እታ ወዲ ሰብ ዝመፀላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፥ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፥ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ፥ ሽዑ ኸይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ኣትረፈ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ካልእ ኽልተ መክሊት ኣትረፈ። እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና ኸይዱ፥ ምድሪ ዅዒቱ ገንዘብ ጐይታኡ ሓብአ። ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ጐይታ እቶም ኣገልገልቲ መፂኡ ኽፀባፀቦም ጀመረ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ቐሪቡ ‘ጐይታይ! ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፤ እንሆ ድማ ኻልእ ኣብ ልዕሊአን ሓሙሽተ መክሊት ኣትረፍኩ’ እናበለ፥ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምፅአ። ጐይታኡ ድማ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ቀሪቡ ‘ጐይታይ! ክልተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፤ እንሆ ኸዓ ኽልተ ኻልኦት መክሊት ኣብ ልዕሊአን ኣትሪፈ ኣለኹ’ በለ። ጐይታኡ ኸዓ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ። እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ቀሪቡ ‘ጐይታይ! ዘይዘራእኻዮ እትዓፅድ፥ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብ ምዃንካ እፈልጥ እየ፤ ስለ ዝፈራሕኹውን፥ ከይደ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሓባእኽዎ፤ ሕዚ ኸዓ እንሆ ገንዘብካ’ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፦ ‘ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእኽዎ ኸም ዝዓፅድ፥ ዘይበተንክዎ ኸም ዝእክብ ትፈልጥ እንተ ደኣ ኔርኻ፥ ነቲ ገንዘበይ ንመሽረፍቲ ኽትህቦ ምተገብአካ ነይሩ፤ ኣነ ኸዓ መፂአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ። እምበኣርከስ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣሕዲግኩም ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ። ንዘለዎ ዅሉ ይህብዎ፤ ይውስኽዎውን፤ ንዘይብሉ ግና፥ እቲ ዘለዎ እኳ የሕድግዎ እዮም እሞ። ነዝ ሃካይ ኣገልጋሊ ግና፥ ናብ ፍፁም ፀልማት ኣውፂእኹም ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።’ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽእከቡ እዮም፤ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈሊ፥ ከምኡ ኸዓ ንሱ በብወገኖም ክፈልዮም እዩ። ነባጊዕ ብየማኑ፥ ነጣል ድማ ብፀጋሙ ኸቕውም እዩ። ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ጠምየ፥ ኣብሊዕኹምኒ፤ ፀሚአ፥ ኣስቲኹምኒ፤ ጋሻ ኾይነ፥ ተቐቢልኩምኒ፤ ዓሪቐ፥ ከዲንኩምኒ፤ ሓሚመ፥ በፂሕኹምኒ፤ ተኣሲረ፥ ናባይ መፂእኹም ጠዪቕኩምኒ ኢኹምሞ’ ኽብሎም እዩ። ሽዑ እቶም ፃድቃን ‘ኦ ጐይታ፥ መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ኣብሊዕናካ? ወይ ፀሚእኻስ ኣስቲናካ? መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኢናካስ ተቐቢልናካ? ወይ ዓሪቕካስ ከዲንናካ? መኣዝ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ በፂሕናካ?’ ይብልዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ጠምየ፥ ኣየብላዕኹምንን፤ ፀሚአ፥ ኣየስተኹምንን፤ ጋሻ ኾይነ፥ ኣይተቐበልኩምንን፤ ዓሪቐ፥ ኣይከደንኩምንን፤ ሓሚመን ተኣሲረን፥ ኣይበፃሕኹምንን’ ይብሎም። ሽዑ ንሳቶም ሽዑ ‘እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዘይገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኢሉ ይምልሰሎም። ሽዑ ንሳቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ቅፅዓት፥ ፃድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክኸዱ እዮም።” ኢየሱስ እዝ ዅሉ ነገር ተናጊሩ ምስ ወድአ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ኸም ዝኸውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ንወዲ ሰብ ድማ፥ ክስቀል ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም” በሎም። ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ድማ ተማኸሩ። እንተ ኾነ “ኣብ ማእኸል ህዝቢ ሁከት ምእንቲ ኸይለዓል ብበዓል ኣይኹን” በሉ። ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ለምፃም እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ፥ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ሒዛ ናብኡ መፀት፤ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፥ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። ደቀ መዛሙርቱ ግና ነዙይ ሪኦም ተቘጥዑ እሞ “እዛ ሰበይቲ ኽንድዙይ ዝኣክል ሽቱ ንምንታይ ኣጥፍአት? ብብዙሕ ዋጋ ተሸይጡዶ፥ ንድኻታት ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ?” በሉ። ኢየሱስ ግና ነዙይ ፈሊጡ “እዛ ሰበይቲ ፅቡቕ እያ ዝገበረትለይ፤ ስለ ምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም? ድኻታትስ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ እዝ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ኽቡር ሽቱ ግና፥ ንቐብረይ እያ ዝገበረቶ። እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝስበኸሉ ዅሉ ዓለም፥ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ሽዑ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ፥ “ኣነ ንኢየሱስ ኣሕሊፈ ኽህበኩምስ እንታይ ትህቡኒ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰላሳ ቕርሺ ሃብዎ። ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ድማ፥ ኣሕሊፉ ኽህቦ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ። ንሱ ድማ “ናብ ከተማ ኼድኩም ንእገለ ‘መምህር፥ ጊዜይ ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ኣብ ገዛኻ ፋሲካ ኸብዕል እየ ይብል ኣሎ’ በልዎ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ድራር ፋሲካውን ኣዳለዉ። ምስ መሰየ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። እናበልዑ እንተለዉ ኸዓ “ካባኻትኩም ሓደ ኣሕሊፉ ኸም ዝህበኒ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ሓዘኑ፤ ነፍሲ ወከፍውን “ኦ ጐይታ! ኣነ ደኾን እኸውን?” ክብልዎ ጀመሩ። ኢየሱስ መሊሱ “እቲ ኢዱ ኣብ ፃሕሊ ምሳይ ዝፀብሕ፥ ንሱ እዩ ኣሕሊፉ ዝህበኒ። ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በለ። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ “መምህር፥ ኣነ ደኾን እየ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ኢየሱስ ከዓ “ባዕልኻ እኳ ትብል “ድሕሪ ሕዚ፥ ክሳዕ እታ ዕለት እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም፥ ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ፥ ከቶ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ” ድማ በሎም። ናይ ምስጋና መዝሙር ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ። ምስ ተሳእኹ ግና፥ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም። ጴጥሮስ ከዓ “ኵላቶም እኳ እንተ ኸሓዱኻ፥ ኣነስ ፈፂመ ኣይክሕደካን” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ “በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ። ጴጥሮስ ግና “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር፥ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትውን ኵላቶም ከምኡ በሉ። ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ምስኡ ተማሊኡ ኸደሞ፥ ክትክዝን ክሓዝንን ጀመረ። ሽዑ “ነፍሰይ ብሓዘን ክሳዕ ሞት በፂሓ ኣላሞ፥ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ምሳይውን ንቕሑ” በሎም። ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገፁ ተደፊኡ ፀለየ፤ “ኦ ኣቦይ! እዙይ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ! ግና ኸም ናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን!” በለ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ደቂሶም ረኸቦም እሞ፥ ንጴጥሮስ “ሓንቲ ሰዓት እኳ ምሳይ ምትጋህዶ ኣይትኽእሉን? እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፥ ትግሁን ፀልዩን፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎም። ካልኣይ ጊዜ ኸይዱ ኸዓ “ኦ ኣቦይ! እዛ ፅዋዕ እዚኣ እንተይሰተኽዋ ኽትሓልፍ ዘይከኣል እንተ ኾይኑስ፥ ፍቓድካ ይኹን!” እናበለ ደጊሙ ፀለየ። እንደገና ተመሊሱ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ስለ ዝነበራ ደቂሶም ረኸቦም። ሓዲግዎም ከደ እሞ፥ ከምቲ ቕድም ኢልዎ ዝነበረ ቓል ንሳልሳይ ጊዜ ፀለየ። ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ “ሕዚ እውን ገና ደቂስኩምን ዓሪፍኩምንዶ ኣለኹም? ተስኡ ንኺድ! እቲ ኣሕሊፉ ዝህበንውን እንሆ፥ ቀሪቡ ኣሎ” በሎም። ገና እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ መፀ፤ ምስኡ ድማ ብሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት መፁ። እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ኸዓ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ እሞ ሓዝዎ” ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ። ሽዑ ናብ ኢየሱስ ቀሪቡ “ሰላም መምህር” ኢሉ ሰዓሞ። ኢየሱስ ከዓ “ዓርከይ፥ ንምንታይ ነገር መፃእኻ?” እንሆ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ፥ ሰይፉ መዚዙ ነቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረፆ። ሽዑ ኢየሱስ “ሰይፊ ዘልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ እዮም ዝጠፍኡ እሞ፥ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። ኣነ ነቦይ ክልምኖ ዘይከኣለኒ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ሰራዊት ዝበዝሑ መላእኽቲ ብቕፅበት ክሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ? እቶም ‘ከምዙይ ክኸውን ኣለዎ’ ዝብሉ መፃሕፍቲ ደኣ ኸመይ ኢሎም ክፍፀሙ እዮም?” በሎ። በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ “ሰራቒ ኸም እትሕዙዶ ብኣስይፍትን ብኣብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም? ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ተቐሚጠ እምህር ነይረ፤ ግና ሽዑ ኣይሓዝኩምንን። እዝ ዅሉ ዝኾነ ግና፥ መፃሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኽፍፀሙ እዩ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም ሓዲጎምዎ ሃደሙ። ጴጥሮስ ግና ኽሳዕ እቲ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት፥ ብርሑቕ ሰዓቦ፤ ናይቲ ነገር መወዳእታ ምእንቲ ኽርኢውን፥ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ሓሻኽር ተቐመጠ። ሊቃነ ካህናትን እንተ ኾነ ኣይረኸቡን፤ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እኳ እንተ ቐረቡ፥ ሓንቲ በደል ኣይረኸቡሉን። ደሓር ግና ኽልተ ቐሪቦም “እዝ ሰብ እዙይ ‘ንቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሓንፆ እኽእል እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ” በሉ። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ ተሲኡ “ነዝ ኣብ ልዕሌኻ ዝምስክርዎ ዘለዉስ፥ ሓንቲ እኳዶ ኣይትምልሰሉን?” በሎ። ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፤ ንሳቶም ከዓ “ሞት ይግብኦ!” ኢሎም መለሱሉ። “ኦ ክርስቶስ! መን እዩ ዝወቕዐካ? እስኪ ተነበየልና?” እናበሉ ኸዓ ይፀፍዕዎ ነበሩ። ጴጥሮስ ኣብ ውሽጢ መረባ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሓንቲ ገረድ መፂኣ “ንስኻውን ምስቲ ኢየሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከሓደ። ናብቲ ኣፍደገ ምስ ወፀ ኸዓ፥ ሓንቲ ኻልእ ገረድ ረአየቶ፤ ኣብኡ ንዝነበሩ ድማ “እዙይ ምስ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ነይሩ እዩ” በለቶም። ንሱ ኸዓ “ነዝ ሰብ እዙይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንኻልኣይ ጊዜ ኸሓደ፤ መሓለውን። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ፥ እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ዘረባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ነቲ ሰብ እቱይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደርሆ ነቀወ። ጴጥሮስ ድማ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ እንተይነቀወ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ኣምሪሩ በኸየ። ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ፥ ንጲላጦስ ነቲ ሹም ኣሕሊፎም ሃብዎ። ሽዑ እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ፥ ንኢየሱስ ከም ዝተፈርዶ ምስ ረአየ፥ ተናሲሑ “ንፁህ ሰብ ንሞት ኣሕሊፈ ብምሃበይ በዲለ” እናበለ፥ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ግና “ንሕና እንታይ ገዲሱና፥ ባዕልኻ ትፈልጥ” በልዎ። ንሱ ኸዓ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርቢይዎ ወፀ፤ ከይዱውን ተሓኒቑ ሞተ። እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ነቲ ገንዘብ ወሲዶም “ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ሙዳየ ምፅዋት ክነእትዎ ኣይግባእን እዩ” በሉ። ተማኺሮም ከዓ ብእኡ፥ ንመቓብር ኣጋይሽ ዝኸውን፥ ግራት ናይ ሰራሒ ኣቕሓ መሬት ዓደጉሉ። ስለዙይ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ “ግራት ደም” ትብሃል ኣላ። ዋጋ ናይቲ ኽቡር፥ ንግራት ናይ ሰራሒ ኣቕሓ መሬት ሃብዎ” ኢሉ ዝተነግረ ቓል ተፈፀመ። ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ክኸስዎ እንተለዉ፥ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። ሽዑ ጲላጦስ “ብኽንደይ ነገራት ኣብ ልዕሌኻ ይምስክሩ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ?” በሎ። ንሱ ግና እቲ ገዛኢ የመና ኽሳዕ ዝግረም ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን። እቲ ገዛኢ ብበዓል፥ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ሓደ እሱር ክፈትሐሎም ልማድ ነበሮ። ሽዑ በርባን ዝተብሃለ ብዓመፅ ዝተፈለጠ እሱር ነበረ። ጲላጦስ ከዓ ንኢየሱስ ብቕንኣት ከም ዘትሓዝዎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፥ “ነየንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ? ንበርባንዶ ወይ ነዝ ክርስቶስ ዝበሃል ኢየሱስ?” በሎም። ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ ሰበይቱ፥ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ፥ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተሳቕየ እየ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ሓንቲ ኸይትብድል ተጠንቀቕ!” ኢላ ለኣኸትሉ። ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ግና፥ ነቶም ህዝቢ “በርባን ይፈታሕ ኢየሱስ ግና ይቀተል” ኢሎም ንኽልምኑ ሕራይ ኣበልዎም። ሽዑ እቲ ገዛኢ “ካብ ክልቲኦም ነየንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ንበርባን” በልዎ። ጲላጦስ ከዓ “ነዝ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስከ እንታይ ክገብሮ?” በሎም። ኵሎም ድማ “ይሰቐል!” በሉ። ጲላጦስ “ንሱ እንታይ ክፉእ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና “ይሰቐል!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ። ስለዙይ ጲላጦስ እዝ ነገር እዙይ ሁከት ንምልዕዓል እንተ ዘይኮይኑ፥ ከም ዘይጠቅም ምስ ረአየ፥ ማይ ወሲዱ፥ “ኣነ ኻብ ደም እዝ ፃድቕ ሰብ እዙይ ንፁህ እየ፤ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ” እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሓፀበ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን፥ ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን!” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም። ድሕሪዙይ እቶም ወታደራት ጲላጦስ፥ ንኢየሱስ ናብ ቤተ መንግስቲ ወሲዶም፥ ነቲ ሰራዊት ብምሉኡ ናብኡ ኣከብዎ። ክዳኑ ቐንጢጦም ከዓ ቐይሕ ካባ ኸደንዎ። ናይ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኡ እናተምበርከኹ “ሰላም፥ ኦ ንጉስ ኣይሁድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ። እንትፍ ድማ በሉሉ፤ ነቲ ዘንጊ ኣሕዲጎም ከዓ ርእሱ ወቕዕዎ። ምስ ኣላገፁሉ ድማ፥ ነቲ ቐይሕ ካባ ቐንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ። ክወፁ እንተለዉ ድማ፥ ስምኦን ዝስሙ ሓደ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ፥ ንመስቀል ኢየሱስ ክፀውር ኣገደድዎ። ጎልጎታ፥ ትርጕሙ “ሓምሓም ርእሲ” ተብሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ስፍራ ምስ በፅሑ፥ ሓሞት ዝተሓወሶ መፂፅ ወይኒ ኽሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ጥዒሙ ምስታይ ኣበየ። ምስ ሰቐልዎ ኣብኡ ተቐሚጦም ከዓ ይሕልውዎ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ፥ “እዙይ ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዝብል ናይ ኽሲ ፅሑፍ ኣንበሩሉ። ሽዑ ምስኡ ኽልተ ሸፋቱ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ፥ ተሰቐሉ። እቶም ብጥቃኡ ዝሓልፉ ዝነበሩ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፥ “ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ፥ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንፅ፥ እስኪ ንባዕልኻ ኣድሕን! ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኴንካስ እስኪ ኻብ መስቀል ውረድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ። ከምኡውን እቶም ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ኮይኖም፦ “ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንባዕሉ ግና ኸድሕን ኣይኸኣለን፤ ንሱ ንጉስ እስራኤል እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀል ይውረድ፤ ንሕና ኸዓ ብእኡ ኽንኣምን። ንሱ ብእግዚኣብሄር ተኣሚኑ እዩ፤ ‘ኣነ ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ እውን ኢሉ እዩ እሞ፥ ዝፈትዎ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ የድሕኖ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ። ከምኡውን እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉ ኸተርቲ የላግፁሉ ነበሩ። ብታሽዐይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኢየሱስ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ እዙይ ከዓ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ። ገሊኣቶም ካብቶም ኣብኡ ቖይሞም ዝነበሩ ሰባት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ “እዙይስ ንኤልያስ እዩ ዝፅውዕ ዘሎ” በሉ። ሽዑ ሓደ ኻብኣቶም ጐይዩ፤ ሰፍነግ ወሲዱ፥ መፂፅ መሊኡ፥ ብዘንጊ ገይሩ ኽሰትዮ ኣቕረበሉ። ገሊኣቶም ግና “ሕደግዎ፥ ኤልያስ መፂኡ ዘድሕኖ እንተ ኾይኑ ኽንርኢ ኢና” በሉ። ኢየሱስ ደጊሙ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት። መቓብራትውን ተኸፈቱ፤ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ፥ ካብ ሞት ተስኡ። ከካብ መቓብሮም ወፂኦም፥ ድሕሪ ትንሳኤኡ እቲ ሓለቓ ሚእትን፥ እቶም ንኢየሱስ ክሕልዉ ምስኡ ዝነበሩን ከዓ፥ ነቲ ምንዋፅ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገራትን ሪኦም፥ “እዙይስ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበሉ የመና ፈርሑ። ኣብኡ ኸዓ ንኢየሱስ እናገልገላኦ፥ ካብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ብዙሓት ኣንስቲ፥ ብርሑቕ ይሪኣ ነበራ። ካብኣተንውን ማርያም መግደላዊት፥ ማርያም እኖ ያእቆብን ዮሳን፥ እኖ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ። ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ኽህቦ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ክህብዎ ኣዘዘ። ዮሴፍ ድማ ነቲ ናይ ኢየሱስ ስጋ ወሲዱ፥ ብፅሩይ ፃዕዳ ሓሪ ገነዞ፤ ኣብቲ ኣብ ኰዅሒ ዘውቀሮ፥ ናይ ባዕሉ ሓድሽ መቓብርውን ቀበሮ፤ ሓደ ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ድማ፥ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓፅይዎ ኸደ። ኣብኡ ኸዓ ማርያም መግደላዊትን፥ እታ ኻልአይታ ማርያምን፥ ኣብ መንፅር እቲ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ። ብፅባሒቱ ድሕሪ እታ መዓልቲ ምድላው፥ “ጐይታ! እቲ መስሓቲ፥ ብህይወቱ እንተሎ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትስእ እየ’ ኸም ዝበለ ዘኪርና። ስለዙይ ደቀ መዛሙርቱ ጲላጦስ ከዓ፥ “ሓለውቲ ሒዝኩም ኪዱ እሞ፥ ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ኣፅኒዕኹም ሓልዉ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማሕተም ሓቲሞም፥ ነቲ መቓብር ብወታደራት ኣፅኒዖም ኣሐለውዎ። እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ ነበረ እሞ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ቅርብ ኢሉ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ኣንከባሊሉ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ትርኢቱ ኸም መብረቕ ዘንፀባርቕ፥ ክዳኑ ድማ ኸም በረድ ፃዕዳ ነበረ። እቶም ሓለውቲ መቓብር ድማ፥ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ከም ዝሞቱውን ኮኑ። እቲ መልኣኽ ድማ ነተን ኣንስቲ “ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ኸም ዘለኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሓ። ንሱ ኣብዙይ የለን፤ ከምቲ ዝበሎ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ንዕነ ነታ ጐይታ ተቐቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ረአያ። ቀልጢፍክን ኴድክን፥ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ካብ ሞት ተሲኡ እዩ፤ እንሆ ንሱ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ኣብኡ ድማ ኽትሪእዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም፤ እንሆ ነጊረክን ኣለኹ” በለን። ንሳተን ከዓ ኻብቲ መቓብር፥ ብፍርሓትን ብዝለዓለ ታሕጓስን ቀልጢፈን ወፃ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸብስራኦም ድማ ጐየያ። ክነግራኦም እናኸዳ እንተለዋ፥ እንሆ ኢየሱስ ተራኸበን እሞ “ሰላም ንኣኻትክን ይኹን!” በለን። ንሳተን ከዓ ቕርብ ኢለን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ። ሽዑ ኢየሱስ “ኣይትፍርሓ፤ ናብ ኣሕዋተይ ከይድክን፥ ናብ ገሊላ ክኸዱ ንገራኦም፤ ኣብኡ ድማ ኽሪኡኒ እዮም” በለን። ንሳተን ምስ ከዳ፥ እንሆ ኻብቶም ወታደራት ገሊኣቶም ናብታ ኸተማ ኣትዮም፥ እቲ ዝኾነ ዅሉ ንሊቃነ ካህናት ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ምስቶም ዓበይቲ ተኣኪቦም መኸሩ፤ ብዙሕ ገንዘብ ከዓ ነቶም ወታደራት ሃብዎም። “ ‘ንሕና ደቂስና እንተለና፥ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መፂኦም ሰሪቖምዎ’ በሉ። እዝ ነገር እዙይ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰሚዑ፥ ንሕና ኽነረድኦ ኢና፤ ንኣኻትኩም ድማ ብዘይ ስግኣት ከም እትነብሩ ክንገብር ኢና” በልዎም። ንሳቶም ድማ ገንዘብ ተቐቢሎም፥ ከምቲ ዝነገርዎም ገበሩ። እዝ ነገርዙይ ክሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ኣይሁድ ይንገር ኣሎ። ምስ ረአይዎ ኸዓ ሰገዱሉ፤ ገሊኣቶም ግና ተጠራጠሩ። ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤ እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።” እናበለ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ እሰደልካ ኣለኹ” ዝብል ከም ዝተፅሓፈ፥ ዮሃንስ ኣብ ምድረ በዳ እናጥመቐን፥ ንስርየት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸን መፀ። ኵሎም ሰብ ይሁዳን ሰብ ኢየሩሳሌምን፥ ናብኡ እናኸዱ ሓጢኣቶምውን እናተናዘዙ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። ዮሃንስ፥ ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ፥ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ ኣዲም፥ ቀለቡውን ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ንሱ ኸዓ “ካባይ ዝብርትዕ፥ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሳእኑ ኽፈትሐሉ ዘይበቅዕ፥ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ። ኣነ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ። በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ፥ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መፀ፤ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ድማ፥ ብዮሃንስ ተጠመቐ። ኢየሱስ ካብ ማይ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰማያት እንትኽፈታ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ እንትወርድ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማያት መፀ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ መንፈስ [ቅዱስ] ናብ በረኻ ኣውፅኦ። ኣብቲ በረኻ ድማ፥ ብሰይጣን እናተፈተነ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ፤ ምስ ኣራዊት ከዓ ነበረ፤ መላእኽቲ እውን ኣገልገልዎ። ድሕሪ ምእሳር ዮሃንስ፥ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መፂኡ፥ ወንጌል መንግስቲ እግዚኣብሄር ሰበኸ። “እዋኑ በፂሑ እዩ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ! ብወንጌልውን እመኑ!” ይብል ነበረ። ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ፥ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኸውርዱ እንተለዉ ረአየ። ኢየሱስ ድማ “ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩምስ ንዑ ተኸተሉኒ!” በሎም። ንሳቶም ድማ መርበቦም ሓዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ። ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ምስ በለ ድማ፥ ንያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንሓዉ ዮሃንስን፥ ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ከተዓራርዩ እንተለዉ ረአዮም እሞ ፀውዖም። ንሳቶም ከዓ ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም ተኸተልዎ። ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ። እንሆ ኸዓ ኣብቲ ቤተ ፀሎቶም፥ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሓደ ሰብ ነበረ። እናእወየ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ” በለ። ኢየሱስ ድማ “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ። እቲ ርኹስ መንፈስ ከዓ፥ ነቲ ሰብኣይ ፈርፈር ኣበሎ፤ ብዓብዪ ድምፂ እናእወየ ድማ ኻብኡ ወፀ። ኵላቶም ከዓ “እንታይ ደኣ እዩ እዝ ሓድሽ ትምህርቲ እዙይ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይእዘዝዎ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተጠያየቑ ተገረሙ። ሽዑ ዝናኡ ናብ ኵሉ ኸባቢ ገሊላ ወፀ። ሽዑ ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን፥ ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከዓ ረስኒ ሓሚማ ደቂሳ ነበረት እሞ፥ ሽዑ ብዛዕባኣ ነገርዎ። ኢየሱስ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፥ ብኢዳ ሒዙ ኣተስኣ እሞ፥ እቲ ረስና ሽዑ ንሽዑ ሓደጋ፤ ንሳ ድማ ተሲኣ ኣገልገለቶም። ፀሓይ ዓሪቡ ምስ መሰየ፥ ንዅሎም ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ናብኡ ኣምፅእዎም። ኵላቶም ሰባት እታ ኸተማ ድማ፥ ኣብቲ በሪ ተኣከቡ። ንሱ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ብዙሓት ሰባት ኣሕወየ፤ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅአ፤ እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ፥ ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፥ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ። ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ። ምስ ረኸብዎ ኸዓ፥ “ኵሉ ሰብ እኮ ይደልየካ እዩ ዘሎ” በልዎ። ንሱ ድማ “ኣብኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናብተን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ኻልኦት ዓድታት ንኺድ፤ ብዛዕባ እዙይ እየ መፂአ ዘለኹሞ” በሎም። ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸን ኣጋንንቲ እውን እናውፅአ፥ ኣብ ኵሉ ገሊላ ይዘዋወር ነበረ። ሓደ ለምፃም ኢየሱስ ከዓ ራህርሀሉ፤ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ ንፃህ!” በሎ። እዙይ ምስ በሎ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ለምፁ ነፅሀ። ኢየሱስ ድማ “ንሓደኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ንባዕልኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” ኢሉ ብብርቱዕ ኣጠንቀቖ። ንሱ ግና ወፂኡ ብዙሕ ኽነግር ጀመረ፤ ስለዙይ ኢየሱስ ብገሃድ፥ ናብ ከተማ ምእታው ኣይከኣለን፤ ኣብ ፅምዊ ቦታ ደኣ ነበረ እምበር፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ኵሉ ቦታ ናብኡ ይመፁ ነበሩ። መረባ ኽሳዕ ዝፀቦም ብዙሓት ሰባት ናብኡ ተኣከቡ፤ ቃሉውን ይነግሮም ነበረ። ኣርባዕተ ሰባት ድማ ንሓደ መፃጕዕ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ። ካብ ፃዕቒ ህዝቢ ዝተልዓለ ናብኡ ኸእትውዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ ናብቲ ናሕሲ ደዪቦም በቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ወገን ነቲ ናሕሲ ኣልዒሎም፥ ነቲ መፃጕዕ ምስቲ ደቂሱሉ ዝነበረ ዓራት ናብኡ ኣውረድዎ። ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ። እንሆ ኸዓ ኻብ መምህራን ሕጊ ገሊኣቶም ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ ብልቦም ድማ “ንምንታይ እዩ እዝ ሰብ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ዝፃረፍ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ይሓስቡ ነበሩ። ኢየሱስ ድማ ብልቦም እዝ ሓሳብዙይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመንፈሱ ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ትሓስቡ ኣለኹም? ኣየናይ ይቐልል? ነዝ መፃጕዕ እዙይ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ምባል? እምበኣር ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ እዩ” ኢሉ፥ ነቲ መፃጕዕ፥ “ተስእ እሞ ዓራትካ ተሰኪምካ፥ ናብ ገዛኻ ኺድ እብለካ ኣለኹ” በሎ። እቲ መፃጕዕ ድማ ሽዑ ንሽዑ ተሲኡ፥ ዓራቱ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወፀ። ስለዙይ ድማ ዅሎም ተደነቑ እሞ፥ “ከምዙይ ዝበለ ኸቶ ኣይረአናን” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ወሰን ባሕሪ ኣቢሉ ኸደ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ናብኡ መፁ፤ ይምህሮምውን ነበረ። ክሓልፍ እንተሎ ድማ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብቲ ቐረፅ ዝቕረፀሉ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ፥ “ተኸተለኒ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ተሲኡ ተኸተሎ። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ገዛ ሌዊ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ፤ ዝተኸተልዎ ብዙሓት ነበሩሞ፥ ብዙሓት ቀረፅትን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኢየሱስ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ክበልዕን ክሰትን ምስ ረአይዎ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ዝበልዕን ዝሰትን?” በልዎም። ኢየሱስ ከዓ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይደልይዎን፤ ኣነ ኸዓ ንሓጥኣን እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይፆሙ ነበሩ። ሰባት መፂኦም፥ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንን ይፆሙ እዮም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይፆሙ?” ኢሎም ንኢየሱስ ጠየቕዎ። ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙዶ ይኽእሉ? መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽፆሙ ኣይግብኦምን። እንተ ኾነ መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ኽፆሙ እዮም። ሓድሽ ቍራፅ ዓለባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ከቶ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፤ ምቕዳዱ ኸዓ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ድማ፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ብላይ ሓርቢ ይቐዶሞ፥ እቲ ወይኒ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢውን ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ” ኢየሱስ ብሰንበት ብማእኸል ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ ምብላዕ ጀመሩ። ፈሪሳውያን ከዓ “እስኪ ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ብሰንበት ክግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ብዘመን ሊቀ ካህናት ኣብያታር፥ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን፥ ንሱ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ እቲ ካህናት ጥራሕ እምበር ካልኦት ክበልዕዎ ዘይተፈቐደ ሕብስቲ ቝርባን ከም ዝበልዐን፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምንዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም። “ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረን። እምበኣርከስ ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበትውን እዩ” በሎም። ኢየሱስ መሊሱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምእንቲ ክኸስዎ ድማ ብሰንበት ዘሕውዮ እንተ ኾይኑ ይፀናተውዎ ነበሩ። ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ “ተስእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል” በሎ። ንኣኣቶም ድማ “ብሰንበትስ ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር? ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ። በቲ ትረት ልቦም ጕህዩ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም፥ ብቝጥዓ ጠመቶም፤ ነቲ ሰብኣይ ከዓ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ዘርግሓ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት። ፈሪሳውያን ድማ ወፂኦም፥ ብቕልጡፍ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ምስ ሰባት ሄሮድስ ተማኸሩ። ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ፤ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከዓ፥ ብዙሓት ሰባት ሰዓብዎ። ከምኡውን ብዙሕ ህዝቢ፥ ነቲ ዅሉ ዝገበሮ ሰሚዑ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ኤዶምያስ፥ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ካብ ዙርያ ጢሮስን ሲዶናን ናብኡ መፀ። ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይዳፍኦ ጃልባ ኣዳልዮም ከፅንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም። ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፥ ኵሎም ሕማም ዘለዎም ምእንቲ ኽነኽእዎ ኽሳዕ ዝወድቁ ይደፋፍኡ ነበሩ። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ምስ ረአይዎ “ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሎም እናእወዩ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቁ ነበሩ። ንሱ ግና ኸየግህድዎ ኣበርቲዑ ኣዘዞም። ኢየሱስ ናብ እምባ ደዪቡ፥ ነቶም ዝደለዮም ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ናብኡ መፁ። ምስኡ ክኾኑን፥ ክሰብኩ ምእንቲ ኽልእኾምን፥ ዓሰርተ ኽልተ መሪፁ “ሃዋርያት” ኢሉ ሰመዮም። [ሕሙማት ከሕውዩን] ኣጋንንቲ ኸውፅኡን ድማ ስልጣን ሃቦም። እቶም ዓሰርተ ኽልተ ድማ፦ “ጴጥሮስ” ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦን፥ እቶም “ቦኣኔርጌስ” ማለት “ደቂ ነጐድጓድ” ኢሉ ዝሰመዮም ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ሓዉ ዮሃንስን፥ እንድርያስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥ ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ወዲ እልፍዮስ ያእቆብን፥ ታዴዎስን፥ ስምኦን ቀነናዊን፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን እዮም። እቶም ኣዝማዱ ኸዓ “ዓቢዱ እዩ” እንትበሃል ሰሚዖም ክሕዝዎ መፁ። ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መምህራን ሕጊ ድማ “ብኤል ዜቡል ሒዝዎ ኣሎ፤ ንኣጋንንቲ እውን ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ። ኢየሱስ ድማ ፀውዖም፤ ብምስላታት ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኸውፅኦ ይኽእል? ሓንቲ መንግስቲ ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። ሓንቲ ስድራውን ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ ስድራ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። ሰይጣን ከዓ ንስንሳቱ ተፃሊኡ እንተ ተፈላልዩ፥ ይጠፍእ ደኣ እምበር ኣይቐውምን። ነቲ ሓያል ቅድም እንተይኣሰረ፥ ኣብ ገዛ ሓያል ኣትዩ፥ ንብረቱ ኽጕርጕር ዝኽእል ሓደኳ የለን። ምስ ኣሰሮ ግና ነቲ ገዛኡ ኽጕርጕር ይኽእል። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ክሕደገሎም እዩ። እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ንዘለኣለም ኵነኔ ደኣ ይኾኖ እምበር ፈፂሙ ኣይሕደገሉን እዩ።” ከምዙይ ዝበሎም ድማ “ርኹስ መንፈስ ሓዲርዎ” ስለ ዝበልዎ እዩ። እኖኡን ኣሕዋቱን ናብኡ መፁ፤ ኣብ ደገ ቖይሞም ከዓ ኽፅውዕዎ ለኣኹሉ። ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጡ ነበረሞ፥ “እንሆ እኖኻን ኣሕዋትካን ኣብ ደገ ይደልዩኻ ኣለዉ” በልዎ። ንሱ ድማ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሎም። ነቶም ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ እናጠመተ “እኖይን ኣሕዋተይንስ እኒሀዉ” በለ። “ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በሎም። ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኾይኑ ኽምህሮም ጀመረ። ኣብ ባሕሪ ናብ ጃልባ ደዪቡ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ። ብምስላታት ገይሩ ብዙሕ ነገራት መሃሮም። ክምህሮም እንተሎ ድማ፦ “ስምዑ፥ እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ። ክዘርእ እንተሎ ሓድሓደ ዘርኢ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ወደቐ፤ ኣዕዋፍ መፂአን ድማ በልዓኦ። ገሊኡ ድማ፥ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት ሓመድ ስለ ዘይብሉ ኸዓ፥ ቀልጢፉ በቘለ። ፀሓይ ምስ በረቐ ግና ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ። ገሊኡ ኸዓ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾኽ ከዓ ዓብዩ ሓነቖ፤ ፍረውን ኣይሃበን። ገሊኡ ድማ ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ በቘለ፤ ዓበየ፤ ፈረየውን፤ ገሊኡ ሰላሳ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ኸዓ ሚእቲ ሃበ። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም። ንበይኑ ምስ ኮነ ኸዓ፥ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ፥ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እቲ ምስላታት ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ፤ ነቶም ብወፃኢ ዘለዉ ግና፥ ኵሉ ብምስላ እዩ ዝንገሮም።’ ” ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ነዝ ምስላ እዙይዶ ኣየስተውዓልኩምዎን ኢኹም? ከመይ ጌርኩም ደኣ፥ ንዅሉ ምስላታት ክትርድእዎ ኢኹም? እቲ ዘራኢ ቓል ገሊኣቶም ሰባት፥ ነቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዮም ዝመስሉ፤ ምስ ሰምዑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቓል ይወስዶ። ከምኡ ኸዓ ገሊኣቶም፥ ነቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ሽዑ ንሽዑ ብሓጐስ ይቕበልዎ። ንጊዜኡ እምበር ሱር የብሎምን፤ ደሓር ግና ስለ እቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኮነ፥ ቀልጢፎም ይኽሕዱ። ገሊኣቶም ከዓ፥ ነቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ይሰምዑ፤ እንተ ኾነ ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ፍቕሪ ሃብትን፥ ካልእ ትምኒትን ኣትዩ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን። ገሊኣቶም ከዓ ኸምቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝተዘርአ እዮም፤ ነቲ ቓል ይሰምዕዎ፤ ይቕበልዎ፤ ገሊኣቶም ሰላሳ፥ ገሊኣቶም ስሳ፥ ገሊኣቶምውን ሚእቲ ይፈርዩ።” ዘይገሃድ ሕቡእ፥ ዘይግለፅ ስዉር የለን፤ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።” መሊሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ እትሰምዕዎ ኣስተብህሉሉ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም፥ ክውሰኸልኩምውን እዩ። ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ እዮም እሞ።” ከምዙይ ድማ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግራቱ ዘርኢ ኸም ዝዘርእ ሰብ እያ። ንሱ ብለይቲ ይድቅስ ብመዓልቲ ድማ ይትስእ፤ እታ ምድሪ ባዕላ ተብቍል፤ ቅድም በቝሊ፥ ደሓር ዘለላ፥ ኣብቲ ዘለላ ድማ፥ ብፁሕ ስርናይ፥ ፈፂሙ ምስ ፈረየ ኸዓ፥ ቀውዒ ስለ ዝበፅሐ ማዕፂድ ይሰድድ።” መሊሱ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ ክንምስላ? ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ ዝነኣሰት፥ ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርአት ፍረ ኣድሪ እያ። ምስ ተዘርአት ግና ትበቍል፤ ካብ ኵሉ ኣሕምልትውን ትዓቢ፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ኸዕርፋ ኽሳዕ ዝኽእላ ኸዓ፥ ዓበይቲ ጨናፍር ትገብር።” ከም መጠን ምስትውዓሎም፥ ነቲ ቓል በዝ ኸምዙይ ዝበለ ምስላታት ይነግሮም ነበረ። ብዘይ ምስላ ኣይተዛረቦምን፤ ንደቀ መዛሙርቱ ግና ንበይናቶም ኵሉ ይገልፀሎም ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ናብ ማዕዶ ንሳገር” በሎም። ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፥ ምስኣቶም ብጃልባ ወሰድዎ፤ ካልኦት ጃልባታት ከዓ ምስኡ ነበራ። ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ተልዓለ፤ እታ ጃልባ ኽሳዕ ማይ እትመልእ ድማ፥ እቲ ማዕበል ናብታ ጃልባ ይኣቱ ነበረ። ኢየሱስ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣበራቢሮም፥ “መምህር፥ ምጥፋእና ኣየሕዝነካን ድዩ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ ተሲኡ ነቲ ነፋስ ገሰፆ፤ ነታ ባሕሪ ድማ “ፀጥ በሊ! ህድኢ!” በላ። እቲ ንፋስ ድማ ፀጥ በለ፤ ዓብዪ ህድኣትውን ኮነ። ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ትፈርሑ? ንሳቶም ግና የመና ፈርሑ፤ ንስንሳቶም ድማ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ መን እዩ!” ተበሃሃሉ። ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን፥ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን በፅሑ። ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ድማ፥ ሓደ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ፥ ካብ መቓብር ወፂኡ ተራኸቦ። ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፤ ብሰንሰለት ኣሲሩ ኸፅንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን። ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ጊዜ ይእሰር ነበረ፤ እንተ ኾነ ነቲ ሰንሰለት ይበታትኾ፥ ነቲ መቝሕ ከዓ ይሰባብሮ ስለ ዝነበረ፥ ሒዙ ኸፅንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን። ኵልሻዕ ድማ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ መቓብርን ኣብ እምባታትን ኮይኑ የእዊ፤ ሰብነቱ ኸዓ ብፅንፅልሒት ይትልትል ነበረ። ንኢየሱስ ብርሑቕ ምስ ረአዮ ጐዪዩ ሰገደሉ፤ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ። እዙይ ዝበለ ኸዓ ኢየሱስ “ኣታ ርኹስ መንፈስ፥ ካብዝ ሰብ እዙይ ውፃእ” ኢልዎ ስለ ዝነበረ እዩ። ካብታ ዓዲ ኣውፂኡ ኸይሰዶም ከዓ ብዙሕ ለመኖ። እንሆ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ፀግዒ እምባ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊረን ነበራ። ንሳቶም ከዓ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ፥ ናብኣተን ክንኣቱ ኢሎም ለመንዎ። ኢየሱስ ድማ ፈቐደሎም፤ እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ኸዓ፥ ወፂኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እተን ክልተ ሽሕ ዝኣኽላ ሓሰማታት በርጊገን በቲ ፀድፊ ናብቲ ባሕሪ ጠሊቐን ሞታ። እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፤ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከዓ ኣውረዩ፤ እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ዝኾነ ነገር ክሪኡ ወፁ። ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ድማ፥ እቲ ጋኔን ሒዝዎ፥ [ሌጌዎን] ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ኮፍ ኢሉ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሑ። እቶም ዝረአይዎ ድማ፥ ነቲ ብዛዕባ እቲ ጋኔን ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብን፥ ብዛዕባ እተን ሓሰማታት ዝኾነ ነገርን ነገርዎም። ሽዑ እቶም ህዝቢ ኻብ ዓዶም ክወፀሎም ክልምንዎ ጀመሩ። ኢየሱስ ናብ ጃልባ እናደየበ እንተሎ ድማ፥ እቲ ጋኔን ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ምስኡ ክኸይድ ለመኖ። ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሉን፤ “ናብ ገዛኻን ናብ ወገናትካን ኪድ፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረልካን ዝመሓረካን ድማ ንገሮም!” በሎ። ንሱ ኸዓ ዅሉ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ፥ ዓሰርተ ኸተማታት ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስተሳገረ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ወሰን ባሕሪ ናብኡ ተኣከበ። ኢያኢሮስ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ናብኡ መፀ፤ ምስ ረአዮ ኸዓ፥ ኣብ እግሩ ወዲቑ “ጓለይ ክትመውት ስለ ዝቐረበት፥ ምእንቲ ሓውያ፥ ብህይወት ክትነብር መፂእኻ ኢድካ ኣንብረላ” እናበለ ኣበርቲዑ ለመኖ። ኢየሱስ ድማ ምስኡ ኸደ፤ ብዙሕ ህዝቢ እውን ሰዓቦ፤ ኣብ ዙርያኡውን ይደፋፋእ ነበረ። እንሆ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ፥ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ነበረት። ናብ ብዙሓት ሓኻይም ብምኻድ ብዙሕ ተሳቐየት፤ ኵሉ ገንዘባውን ወድአት፤ እንተ ኾነ ገደዳ ደኣ እምበር ኣይጠቐማን። ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐት፥ “ክዳኑ እንተ ነኺአ ኽሓዊ እየ” ኢላ፥ ብማእኸል እቶም ህዝቢ ሓሊፋ፥ ብድሕሪኡ መፂኣ ኽዳኑ ነኽአት። እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ኸዓ፥ ብቕፅበት ቆመ፤ ካብ ሕማማ ኸም ዝሓወየትውን ተፈለጣ። ኢየሱስ ከዓ ሽዑ ኻብኡ ሓይሊ ኸም ዝወፀ ፈሊጡ፥ ናብቶም ህዝቢ ግልፅ ኢሉ፥ “መን እዩ ኽዳነይ ዝነኽአ?” በለ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ህዝቢ ናባኻ እንትፀቓቐጥ እናረአኻስ ‘መን እዩ ዝነኽአኒ’ ትብል ኣለኻ?” በልዎ። ኢየሱስ ነቲ እዙይ ዝገበረ ንኽርኢ ምልስ ኢሉ ጠመተ። እታ ሰበይቲ ግና፥ እቲ ኣብኣ ዝኾነ ስለ ዝፈለጠት፥ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠት መፂኣ ሰገደትሉ፤ ኵሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ እያ ዘሕወየትኪ፤ ብሰላም ኪዲ፤ ካብ ሕማምኪውን ሕወዪ!” በላ። ኢየሱስ ገና እዙይ ኽዛረብ እንተሎ፥ ካብቲ ገዛ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሰባት መፂኦም፥ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ንመምህር እተድክሞ?” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ እቲ ዝተዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣይትፍራሕ፤ እመን ደኣ” በሎ። እንትርፊ ጴጥሮስን ያእቆብን፥ ሓው ያእቆብ ዮሃንስን ሓደኳ ኽስዕቦ ኣይፈቐደን። ናብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ብዙሓት [ዘልቅሱን] ዝበኽዩን ዋይ ዋይ ዝብሉን ረአየ። ኣትዩ “ስለ ምንታይ ዋይ ዋይ ትብሉን ትበኽዩን? እዛ ቘልዓኮ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰሓቕዎ፤ ንሱ ግና ንዅሎም ኣውፂኡ፥ ነቦ እታ ቘልዓን ንኖኣን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ሒዙ፥ ናብቲ እታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ። ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ኸዓ “ጣሊታ ቑሚ!” እታ ጓል ድማ ብቕፅበት ተሲኣ ተዋሳወሰት፤ ዕድሚኣ ድማ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ። ሽዑ የመና ተገረሙ። ንሱ ኸዓ፥ ነዙይ ሓደኳ ኸይፈልጦ ብፅኑዕ ኣዘዞም፤ ዝብላዕ ክህብዋ ድማ ነገሮም። ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ዓዱ ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሰዓብዎ። ብሰንበት ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “እዙይስ እቲ ፀራቢ ኢየሱስ ከዓ “ነቢይ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ” በሎም። ብዘይ እቶም ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም ውሑዳት ሕሙማት ኣብኡ ተኣምራት ኣይገበረን። በቲ ዘይምእማኖም ድማ ተገረመ፤ እናመሃረ ኸዓ ኣብተን ከባቢ ዘለዋ ዓድታት ተዘዋወረ። ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ናብኡ ፀዊዑ፥ በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም፤ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ ስልጣን ሃቦም። ንመንገዲ ዝኸውን እንትርፊ በትሪ፥ ስንቂ፥ እንጀራ፥ ወይ ከረጢት፥ ኣብ ቅናውቶም ድማ ገንዘብ ከይሕዙ፥ እንትርፊ ኣብ እግሮም ዘሎ ሳእኒ፥ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ከይሕዙ ኣዘዞም። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ካብኡ ኽሳዕ እትወፁ፥ ኣብቲ ዝኣተኹምዎ ገዛ ተቐመጡ። ኣብቲ ዘይተቐበሉኹምን ዘይሰምዑኹምን ዓዲ፥ ካብኡ ወፂእኹም ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ዓዲ እቲኣስ፥ ንሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ንሳቶም ድማ ናብ ዓድታት ወፂኦም ኵሉ ኽንሳሕ ሰበኹ። ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅኡ፤ ንብዙሓት ሕሙማት ድማ፥ ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም። ስሙ ተጋሂዱ ስለ ዝነበረ፥ ንጉስ ሄሮድስ ሰምዐ። “መጥምቕ ዮሃንስ ካብ ምውታን ተሲኡ እዩ፤ ስለዙይ ከምዙይ ዝበለ ተኣምራት ብእኡ ይግበር ኣሎ” በለ። ካልኦት ግና “ኤልያስ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “ነቢይ እዩ፤ ወይ ድማ ሓደ ኻብቶም ነቢያት እዩ” በሉ። ሄሮድስ ግና ነዙይ ምስ ሰምዐ “እዙይ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ እዩ” በለ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፥ ብሰንካ ሓሻኽሩ ልኢኹ፥ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። ምኽንያቱውን ዮሃንስ ንሄሮድስ “ሰበይቲ ሓውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን” ይብሎ ስለ ዝነበረ እዩ። ሄሮድያዳ በዙይ ተቐዪማ ኽተቕትሎ ትደሊ ነበረት፤ እንተ ኾነ ኣይከኣለትን። ዮሃንስ፥ ቅዱስን ፃድቕን ሰብ ከም ዝኾነ ንጉስ ሄሮድስ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ ይፈርሖን ይሕልዎን ነበረ። ሄሮድስ ዘረባ ዮሃንስ እንትሰምዕ የመና ይጭነቕ ነበረ፤ ይኹን እምበር እናተሓጐሰ ይሰምዖ ነበረ። ሄሮድስ ዝተወለደላ መዓልቲ ከኽብር፥ ንመሳፍንቲ፥ ንመኳንንቲ፥ ንናይ ገሊላ ዓበይቲ ዓዲ፥ ምሳሕ ምስ ገበረ፥ ሽዑ ምችዊ መዓልቲ ኾነ። ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዐት፤ ንሄሮድስን ነቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ከዓ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስውን ነታ ጓል “ዝደለኽዮ ጠይቕኒ ኽህበኪ እየ፤ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ኾነውን፥ ዝጠየቕክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ መሓለላ። እታ ጓል ድማ ወፂኣ ንኖኣ “እንታይ ክጥይቖ?” በለታ። ንሳ ኸዓ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ” በለታ። ሽዑ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ሕዚ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ። እቲ ንጉስ ድማ የመና ሓዘነ፤ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ተቐሚጦም ዝነበሩን ግና፥ ክኣብያ ኣይደለየን። ሽዑ እቲ ንጉስ ሓደ ወታደር ልኢኹ፥ ርእሲ ዮሃንስ ከምፅእ ኣዘዘ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሲ ዮሃንስ ሰየፈ። ነቲ ዝተቘረፀ ርእሱ ድማ፥ ኣብ ፃሕሊ ገይሩ ነታ ጓል ሃባ፤ እታ ጓል ድማ ንኖኣ ሃበታ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ነቲ ሬሳኡ ወሲዶም ቀበርዎ። እቶም ዝመፁን ዝኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፥ ንምብላዕውን ጊዜ ስለ ዘይረኸቡ፥ ኢየሱስ “ንበይንኻትኩም ቁሩብ ክተዕርፉ ንዑናይ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ንውፃእ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ንበይናቶም ብጃልባ ተሳጊሮም ናብ ፅምዊ ቦታ ኸዱ። ክኸዱ እንተለዉ ብዙሓት ህዝቢ ረአይዎምን ኣለለይዎምን። ካብ ኵለን ከተማታት ብእግሪ ናብኡ ጐየዩሞ፥ ቀዲሞምዎም ኣብኡ በፅሑ። ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፥ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ ራህርሀሎም፤ ብዙሕውን ክምህሮም ጀመረ። እዋን ምስ ሓለፈ ኸዓ፥ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን የመና መስዩ እዩ። ዝብላዕ ምግቢ የብሎምን እሞ፥ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ቍሸታትን ዓድታትን ከይዶም ዝበልዕዎ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ። ንሱ ግና “ዝበልዕዎ ንስኻትኩም ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኬድና ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ዓዲግናዶ ኽበልዑ ኽንህቦም?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ክንደይ እንጀራ ኸም ዘለኩም ኪዱ ረአዩ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ምስ ረአዩ “ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን” ኣሎ በልዎ። ንዅሎም ድማ በብመስርዖም እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኸቐምጥዎም ኣዘዞም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸከም መስርዖም በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ። ኢየሱስ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ እናጠመተ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ከቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ከምኡውን እቲ ኽልተ ዓሳ ንዅሎም ኣከፋፈሎም። ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ። ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ዓሰርተ ኽልተ ቝርስራስ ዝመልአ መሶብ ኣልዓሉ፤ ካብቲ ዓሳውን ኸምኡ። እቶም እንጀራ ዝበልዑ ኸዓ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ። ሽዑ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብት ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጃልባ ኣትዮም ናብ ማዕዶ ቤተ ሳይዳ ክቕድምዎ ኣዘዞም። ምስ ኣሰናበቶም ካብኡ ሓሊፉ ኽፅሊ ናብ እምባ ደየበ። እዋኑ ምስ መሰየ እታ ጃልባ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ነበረት። ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ። ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፥ እናቐዘፉ እንተለዉ ኽጭነቑ ረአዮም። ከባቢ ትሽዓተ ሰዓት ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ ምትሃት መሲልዎም ኣእወዩ። ኵሎም ምስ ረአይዎ ደንገፁ። ኢየሱስ ግና “ኣይዞኹም! ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ!” በሎም። ናብታ ንሳቶም ዝነበርዋ ጃልባ ኸዓ ደየበ፤ እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ፤ ንሳቶምውን የመና ተገረሙን ተደነቑን። ልቦም ተደፊኑ ስለ ዝነበረ ነቲ ናይ እንጀራ ተኣምራት ኣየስተውዓልዎን። ነቲ ባሕሪ ምስ ተሳገሩ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ መፂኦም ነታ ጃልባ ኣብ ወሰን ኣፀጊዖም ኣቖምዋ። ካብ ጃልባ ምስ ወፁ እቶም ህዝቢ ሽዑ ንሽዑ ኣለለይዎ። ኣብ ኵላ እታ ሃገር እናጐየዩ፥ ኢየሱስ ኣሎ ተብሂሉ፥ ናብ ዝሰምዑሉ ቦታ ሕሙማት ብዓራታት እናፆሩ ናብኡ ኸምፅኡ ጀመሩ። ኣብ ኵሉ ዝኣተዎ፥ ዓድታት፥ ከተማታት፥ ቍሸታት፥ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት የቐምጥዎም እሞ፥ ዘፈር ክዳኑ ጥራሕ ክነኽኡ ይልምንዎ ነበሩ፤ ኵሎም እቶም ዝነኽእዎውን ይሓውዩ ነበሩ። ፈሪሳውያንን ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ መምህራን ሕግን ናብኡ ተኣከቡ። ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣእዳዎም እንተይተሓፀቡ ኵሎም ፈሪሳውያንን ኣይሁድን፥ ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣእዳዎም ኣፀቢቖም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩሞ። ካብ ዕዳጋ እንትምለሱውን ኢዶም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩ፤ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ “ስለ ምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ዓበይቲ ዘይሕልዉ? ስለ ምንታይከ ኣእዳዎም እንተይተሓፀቡ እንጀራ ዝበልዑ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢሉ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ፅቡቕ ተነበየ። “ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓዲግኩም፥ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም፤ [ከም ምሕፃብ መሳተያን፥ ካልእ ኣቑሑ ገዛን፥ ካልእ ድማ ነዙይ ዝመስልን ትገብሩ ኣለኹም።] ናይ ባዕልኻትኩም ስርዓት እናሓለኹም፥ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ኽትጥሕሱ ግቡእ ድዩ? ሙሴ፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሕማቕ ቃል ዝተዛረበ ብርግፅ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ። ንስኻትኩም ግና ኸምዙይ ትብሉ፦ እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ቍርባን እዩ፤’ ማለት፥ መባእ ይኹነለይ እንተ በሎም፥ ደጊም ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሓደ ነገርኳ ኽገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። ስለዙይ ድማ ነቲ ዝሰራዕኹምዎ ስርዓት ክትብሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ትጥሕሱ ኣለኹም፤ ከምኡውን ነዙይ ዝመስል ብዙሕ ትገብሩ ኣለኹም።” ኢየሱስ መሊሱ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ፦ “ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ኣስተውዕሉውን። ካብ ሰብ ዝወፅእ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዝኣቱስ ከርክሶ ኣይኽእልን እዩ፤ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም። ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ፥ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ምስላ እዙይ ጠየቕዎ። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩምውንዶ ክሳዕ ክንድዙይ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ኵሉ ካብ ወፃኢ ናብ ኣፍ ሰብ ዝኣቱ፥ ንሰብ ከም ዘየርክሶ ኣይትፈልጡን ዲኹም? ብኸብዲ ኣቢሉ ንደገ እዩ ዝወፅእ እምበር ናብ ልቢ ኣይኣቱን፤ ንዅሉ መብልዕ እናፃረየ ድማ ናብ ደገ ይወፅእ።” ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሰብ ዘርክሶ፥ እቲ ኻብ ሰብ ዝወፅእ እዩ። ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ከትሪ፥ ስስዐ፥ ተንኰል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ስንፍና ይወፅእ። እዝ ዅሉ ኽፍኣት ካብ ውሽጢ እዩ ዝወፅእ፤ ንሰብ ከዓ የርክሶ።” ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኽሕባእ ኣይከኣለን። ሽዑ ኸዓ ጓላ ርኹስ መንፈስ ዝሓደራ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብዛዕባኡ ሰሚዓ መፀት፤ ኣብ እግሩ ተደፊኣውን ሰገደትሉ። እታ ሰበይቲ ኣብ ሲሮፊንቂያ ዝተወለደት ግሪካዊት ነበረት። ካብ ጓላ ጋኔን ከውፅአላ ድማ ለመነቶ። ኢየሱስ ድማ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ሕደጊ፤ ቅድም እቶም ውሉድ ይፅገቡ” ንሳ ድማ “እወ፥ ጐይታይ! ኣኽላባትውን እንተ ኾኑ፥ ኣብ ትሕቲ ማእዲ ኾይኖም፥ ዝወደቐ ርፍራፍ ውሉድ ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰትሉ። ንሱ ድማ “እዝ ቓል እዙይ ብምባልኪ፥ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወፂኡ እዩ እሞ ኺዲ” በላ። ናብ ገዛኣ ምስ ተመለሰት ድማ፥ እቲ ጋኔን ወፂኡ፥ እታ ጓላውን ሓደ ፀማምን በሃምን ናብኡ ኣምፂኦም ኢዱ ኸንብረሉ ለመንዎ። ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ ድማ፥ ኣፃብዕቱ ኣብ ኣእዛኑ ኣንበረ፤ እንትፍ ኢሉውን ንመልሓሱ ነኽኦ። ናብ ሰማይ ቈላሕ ኢሉ፥ ብርህራሀ ኣተንፊሱ ኸዓ “ኤፍታሕ!” በለ፤ ንሱውን “ተኸፈት” ማለት እዩ። ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፈታ፤ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፤ ኣፅርዩውን ተዛረበ። ንሓደኳ ኸይነግሩ ብፅኑዕ ኣጠንቀቖም፤ እቶም ህዝቢ ግና ብመጠን እቲ ዘጠንቀቖም ኣብዚሖም ኣውረዩ። ንሳቶም ከዓ “ኵሉ ዝገበሮ ሰናይ እዩ፤ ንፀማማት ክሰምዑ፥ ንበሃማት ክዛረቡ ይገብሮም” እናበሉ የመና ይግረሙ ነበሩ። በቲ ቕነ እቱይ ብዙሕ ህዝቢ መሊሱ ተኣከበ፤ ዝብላዕ ግና ኣይነበሮምን እሞ፥ ኢየሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ገይሮም እዮም፤ ዝብላዕ ከዓ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ። ካብኣቶም ገሊኣቶም ካብ ርሑቕ ዝመፁ እዮም እሞ፥ ብጥሙዮም ነናብ ገዛኦም እንተ ኣፋነኹዎም፥ ኣብ መንገዲ ኽደኽሙ እዮም” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ነዝ ዅሉ ህዝቢ፥ ኣብዝ በረኻ እዙይ እንጀራ ኸፅግብ ዝኽእል መን እዩ?” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ ዝኣክል እንጀራ ኣለኩም?” ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ። ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሸውዓተ እንጀራ ሒዙ ኣመስጊኑ ቘረሰ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸቕርቡሎም ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም። ቁሩብ ዓሳውን ነበሮም፤ ንእኡውን ባሪኹ፥ ከቕርቡሎም ኣዘዘ። በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ከዓ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ። እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ነበሩ። ሽዑ ድማ ክኸዱ ኣፋነዎም። ድሕሪዙይ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ሃገር ደልማኑታ ኢየሱስ ድማ ብመንፈሱ እናሓዘነ፥ “እዝ ትውልዲ እዙይ ንምንታይ እዩ ምልክት ዝደሊ ዘሎ? ነዝ ትውልዲ እዙይ ምልክት ከም ዘይወሃቦ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ። ሓዲግዎም ድማ ናብ ጃልባ ደየበ፤ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ። ደቀ መዛሙርቱ ምሓዝ እንጀራ ስለ ዝረስዑ፥ ኣብ ጃልባ እንትርፊ ሓደ እንጀራ ኻልእ ኣይነበሮምን። ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሄሮድስን ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣዘዞም። ንሳቶም ድማ ንስንሳቶም “እንጀራ ስለ ዘይሓዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ?” ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ድማ ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም፥ ንስንሳትኩም ትዘራረቡ? ገናዶ ኣይተረድአኩምን እዩ? ወይ ኣይተስተውዕሉን ዲኹም? ልብኹምከ ደንዚዙ ድዩ? ዓይኒ እንተለኩም ኣይትሪኡንዶ? እዝኒ እንተለኩምከ ኣይትሰምዑንዶ? ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም? እቲ ሓሙሽተ እንጀራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዓሰርተ ኽልተ” በልዎ። “እቲ ሸውዓተ እንጀራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም። ናብ ቤተ ሳይዳ ምስ መፁ ድማ፥ ንሓደ ዕዉር ናብኡ ኣምፂኦም ክድህስሶ ለመንዎ። ነቲ ዕዉር ብኢዱ ሒዙ ኻብታ ኸተማ መሪሑ ኣውፅኦ፤ ናብ ኣዒንቱ እንትፍ ኢሉውን፥ ኢዱ ኣንበረሉ፤ “ዝኾነ ነገርዶ ትርኢ ኣለኻ?” ኢሉውን ጠየቖ። ቆላሕ ኢሉ ድማ “ሰባት ከም ኣእዋም እንትመላለሱ እርኢ ኣለኹ” በለ። ኢየሱስ መሊሱ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ፥ ኣፀቢቑ ረአየ፤ ኵሉውን በሪሁ ተርኣዮ። ኢየሱስ ከዓ “ናብ ዓዲ ኣይትእቶ፤ ኣብ ከተማ ድማ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ናብ ገዛኡ ሰደዶ። ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከደ፤ ኣብ መንገዲ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “ሰብ፥ መን እዩ፥ ይብለኒ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ካልኦት ድማ ‘ኤልያስ’ ካልኦትውን ‘ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ይብሉኻ” በልዎ። ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” በሎም። ጴጥሮስ ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም። ነዝ ነገር እዙይ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦም። ሽዑ ጴጥሮስ ኣግልል ኣቢሉ “እዙይ ኣይኸውንን” በሎ። ኢየሱስ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ እናጠመተ፥ ንጴጥሮስ፥ “ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ኣታ ሰይጣን፥ ካባይ ረሓቕ!” ኢሉ ገሰፆ። ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ክኽተለኒ ዝደሊ፥ ንባዕሉ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሸኪሙ ኸዓ ይከተለኒ። እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ። ሰብ ብዅሉ ዓለም ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ? እቲ ኣብዝ ዘማውን ሓጥእን ዝኾነ ትውልዲ እዙይ፥ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ወዲ ሰብ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መፀ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።” ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸዓ፥ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን፥ ንበይናቶም ወሲዱ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ትርኢቱ ተለወጠ። ክዳኑ ድማ የመና ኣንፀባረቐ፤ ኣብ ምድሪ ሓደ ሓፃባይ ከምኡ ገይሩ ኸፃዕድዎ ኽሳዕ ዘይኽእል ከዓ ፃዕደወ። ሽዑ ሙሴን ኤልያስን ምስ ኢየሱስ እናተዘራረቡ እንተለዉ፥ ተርኣይዎም። ጴጥሮስ ከዓ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ። የመና ደንጊፆም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዝብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። ብሩህ ብድንገት ኣብ ዙርያኦም ቈላሕ እንተ በሉ ኸዓ፥ ኢየሱስ በይኑ እምበር፥ ሓደኳ ምስኣቶም ኣይረአዩን። ካብቲ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ድማ፥ ወዲ ሰብ ካብ ሞት ክሳዕ ዝትስእ፥ ነቲ ዝረአይዎ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ኤልያስ ብርግፅ ኣቐዲሙ ኽመፅእ እዩ፤ ንዅሉውን ከቃንዕ እዩ፤ ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበልን ከም ዝነዓቕን ስለ ምንታይ ድዩ ተፅሒፉ ዘሎ? ኣነ ግና ኤልያስ ብርግፅ መፂኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ ኵሉ ዝደለይዎ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝገበሩ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መፀ ድማ፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎም፥ መምህራን ሕጊ እውን ክከራኸርዎም እንተለዉ ረአየ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ደንገፁ፤ ናብኡ ጐይዮም ከዓ ኢድ ነስኡሉ። ነቶም መምህራን ሕጊ ድማ “ብዛዕባ እንታይ ትከራኸርዎም ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም። ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸዓ “መምህር፥ ንወደይ በሃም ጋኔን ስለ ዝሓዞ፥ ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ። ክለዓሎ እንተሎ የውድቖ፤ የዕፍሮ፤ ኣስናኑውን ይሕርቅም፤ ይነቅፅውን፤ ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ጠይቐዮምስ ኣይከኣሉን” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ዘይኣምን ትውልዲ! ኽሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ!” በሎም። ናብኡ ድማ ኣምፅእዎ፤ እቲ ርኹስ መንፈስ ምስ ረአዮ፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ ምድሪ ነፅሖ፤ ኣንፈርፈረ፤ ዓፈረውን። ኢየሱስ ድማ ነቦኡ “ካብ መኣዝ ጀሚሩ እዩ ዝሓዞ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ “ኻብ ንእስነቱ እዩ፤ ክቐትሎ ደልዩ ኸዓ፥ ብዙሕ ሻዕ ኣብ ሓዊን ኣብ ማይን የውድቖ፤ ትኽእል እንተ ዄንካ ራህርሀልና፥ ርድአናውን” ኢየሱስ ድማ “ ‘ትኽእል እንተ ዄንካዶ ትብል ኣለኻ?’ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ። ሽዑ ኣቦ እቲ ቘልዓ፥ “እኣምን እየ፤ ንዘይምእማነይ ርድኣዮ” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ። ኢየሱስ እቶም ሰባት እንትጐዩ ምስ ረአየ፥ ነቲ ርኹስ መንፈስ “ኣታ በሃምን ፀማምን መንፈስ፥ እእዝዘካ ኣለኹ፤ ካብኡ ውፃእ! ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይትእቶ!” እናበለ ገሰፆ። እቲ ርኹስ መንፈስ ገዓረ፤ ነቲ ቘልዓ ድማ ፈርፈር ኣቢልዎ ወፀ። ብዙሓት “ሞይቱ” ክሳዕ ዝብሉ ኸዓ፥ ከም ሬሳ ኾነ። ኢየሱስ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኦ፤ ንሱውን ተስአ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ኮይኖም “ስለ ምንታይ ንሕና ምውፅኡ ዝሰኣንና?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ዓሌት ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም። ካብኡ ወፂኦም ብገሊላ ሓለፉ፤ ኢየሱስ ነዝ ነገርዙይ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን። ንደቀ መዛሙርቱውን “ንወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ምስ ተቐትለ ድማ፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኽትስእ እዩ” ኢሉ ይምህሮም ስለ ዝነበረ እዩ። ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ቃል ኣየስተውዓልዎን፤ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርሑ። ኣብ ቅፍርናሆም በፂሑ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ “ኣብ መንገዲ ትካትዑሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ ኣብ መንገዲ፥ መን ከም ዝዓቢ፥ ንስንሳቶም ይካትዑ ነበሩ እሞ ስቕ በሉ። ኢየሱስ ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ፀዊዑ “እቲ ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ትሕቲ ዅሉን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን” በሎም። ንሓደ ቘልዓ ወሲዱ ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ፤ ሓቝፉ ኸዓ፦ “ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ቘልዑ፥ ንሓደ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ንኣይ ኣይኮነን ዝቕበል” በሎም። ዮሃንስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ሓደ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብስመይ ተኣምራት ዝገብር ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ብኣይ ክፉእ ኽዛረብ ዝኽእል የለንሞ ኣይትኸልክልዎ። ኵሉ ዘይቃወመና ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝኾንኩም፥ ኵሉ ፅዋዕ ማይ ብስመይ ዘስትየኩም፥ ዓስቡ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ ቝረፃ፤ ምስ ክልተ ኢድካ [ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉውን ዘይጠፍእ] ናብ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ቈራፅ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። እግርኻ እንተ ኣስሓተትካውን ቍረፃ፤ ምስ ክልተ እግርኻ ሓሰኻኡ ናብ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ናብ ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኣዒንትኻ ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ይሕሸካ። ኵሉ ብሓዊ እዩ ዝምቅር፤ ጨው ፅቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ? እምበኣር ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩምውን ተሰማሚዕኹም ብሰላም ንበሩ።” ኢየሱስ ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከደ። መሊሱ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ከም ልማዱውን መሃሮም። ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኽፍትንዎ መፂኦም “ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽፈትሓ ይግባእ ድዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ ድማ “ሙሴ እንታይ ኢሉ ኣዘዘኩም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ሙሴስ መፍትሒኣ ፅሑፍ ፅሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ፦ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም እዩ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ዝፀሓፈልኩም። ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና፥ እግዚኣብሄር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ። ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ፤ እምበኣር ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣርከስ ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም። ኣብ ገዛ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ደጊሞም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ “እቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ፥ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ። እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እተእቱውን ትዝሙ” በሎም። ኢዱ ኸንብረሎም ድማ፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅእዎም፤ ደቀ መዛሙርቱ ግና ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም። ኢየሱስ ነዙይ ምስ ረአየ ተቘጢዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ህፃናት ናባይ ይምፅኡ ሕደግዎም፤ መንግስቲ እግዚኣብሄር ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም። እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ህፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ሓቘፎም፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንቢሩ ድማ ባረኾም። ኢየሱስ ብመንገዲ እናኸደ እንተሎ ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ናብኡ መፂኡ ሰገደሉ። “ኣታ ሕያዋይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስስ እንታይ ክገብር?” ኢሉ ድማ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ሕያዋይ የለን። ትእዛዛት ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣይትዓምፅ፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር!” በሎ። ንሱ ኸዓ “መምህር፥ እዝ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓሊየዮ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፥ “ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ኪድሞ፥ ኵሉ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይውን ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሱ ግና ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ በዝ ቓል እዙይ ሓዘነ፤ እናጐሃየውን ከደ። ኢየሱስ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ፥ “ገንዘብ ዘለዎም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣትዉ ኽንደይ ከቢድ እዩ!” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ፥ በዝ ቓል እዙይ ተገረሙ፤ ኢየሱስ ድማ መሊሱ፦ “ደቀይ! ብሃብቲ ንዝተኣማመኑ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ከመይ ከቢድ እዩ! ሃብታም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” በሎም። ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ድማ “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል?” ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ከዓ ናብኣቶም እናጠመተ፥ “እዙይ ብእግዚኣብሄር እምበር፥ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ እሞ” በሎም። ጴጥሮስ ከዓ “እንሆ እምበኣር ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ” ኽብሎ ጀመረ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፥ ገዛ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ኣሓት፥ ወይ እኖ፥ ወይ ኣቦ፥ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ውሉድ፥ ወይ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሕዚ ኣብዝ ዓለም እዙይ ምስ ስደት፥ ገዛ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ እኖ፥ ውሉድ፥ ገራሁ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ዘይኽፈል፥ ኣብ ዝመፅእ ዓለም ከዓ፥ ህይወት ዘለኣለም ዘይቕበል ሓደኳ የለን። ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም።” “እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከትሕዝዎ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ንሞት ክፈርድዎ፥ ንኣህዛብውን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ንሳቶምውን ከላግፁሉ፥ እንትፍ ክብሉሉ፥ ክገርፍዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ እዩ” በሎም። ያእቆብን ዮሃንስን ክልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር፥ ዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ ኣለና” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኣብ ክብርኻ ሓዲና ብየማንካ፥ ሓዲና ድማ ብፀጋምካ ኽንቅመጥ ፍቐደልና” በልዎ። ኢየሱስ ግና “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትዩ፥ እቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ትኽእሉዶ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ንኽእል” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ነቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትይዎ፥ ነቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቅዎ ኢኹም። ኣብ የማነይን ኣብ ፀጋመይን ምቕማጥ ግና፥ ኣቦይ ንዘዳለወሎም እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝህብ” በሎም። እቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርት እዙይ ሰሚዖም፥ ብያእቆብን ዮሃንስን ተቘጥዑ። ኢየሱስ ግና ፀዊዑ፦ “ንኣህዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም፥ እቶም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባኻትኩም ግና ኸምኡ ኣይኮነን። እቲ ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን። እቲ ኻባኻትኩም ልዕሊ ዅሉ ክኸውን ዝደሊ ኸዓ፥ ንሱ ተኣዛዚኹም ይኹን። ወዲ ሰብ፥ ከገልግልን ህይወቱ ቤዛ ብዙሓት ክህብን እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀንሞ” በሎም። ናብ ኢያሪኮ ድማ ኣተዉ፤ ኢየሱስ ካብ ኢያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ክወፅእ እንተሎ፥ በርጤሜዎስ፥ ንሱውን ወዲ ጤሜዎስ እቲ ዕዉር፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ዓው ኢሉ “ኢየሱስ ወዲ ዳዊት! መሓረኒ!” ኽብል ጀመረ። ብዙሓት ድማ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ዓው ኢሉ “ኦ ወዲ ዳዊት፥ መሓረኒ!” በለ። ኢየሱስ ድማ ደው ኢሉ “ፀውዕዎ” በለ። ነቲ ዕውር ፀዊዖም ከዓ “ኣይዞኻ፥ ተስእ! ኢየሱስ ይፅውዐካ ኣሎ” በልዎ። ንሱ ኸዓ ኽዳኑ ደርቢዩ፥ ኢየሱስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ፤ እቲ ዕዉር ከዓ “መምህር፥ ክርኢ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኪድ፥ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ፤ ኣብ መንገዲውን ተኸተሎ። ናብ ኢየሩሳሌም ንምእታው፥ ጥቓ ደብረ ዘይት ናብ ዘለዋ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረቡ፥ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ። “ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ናብኣ ምስ ኣተኹም፥ ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኹም ኣምፅኡለይ። ዝኾነ ሰብ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም እንተበለኩም፥ ‘ጐይታ ይደልዮ ኣሎ’ በሉዎ፤ ሽዑ ኽሰዶ እዩ” በሎም። ምስ ከዱ ኸዓ፥ ነቲ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተኣሲሩ ረኺቦም ፈትሕዎ። ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገሊኣቶም “ነቲ ገልገል ኣድጊ ንምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?” በልዎም። ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኢየሱስ ዝበሎም በልዎም እሞ ሓደግዎም። ነቲ ገልገል ኣድጊ ናብ ኢየሱስ ወሰድዎ፤ ክዳውንቶምውን ጐዝጐዙሉሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መንገዲ ኽዳውንቶም ጐዝጐዙ። ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨናፍር እናሰልዑ ይንስንሱ ነበሩ። እቶም ዝመርሑን እቶም ዝስዕቡን ድማ “ሆሳዕና! ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ! እታ እትመፅእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊትውን ብርኽቲ እያ፤ ሆሳዕና ኣብ ኣርያም!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ የስምዑ ነበሩ። ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሐ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ፤ ኣብ ዙርያኡ ግልፅ እናበለ ንዅሉ ምስ ረአየ፥ መስዩ ነበረ እሞ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ቢታንያ ኸደ። ንፅባሒቱ ኻብ ቢታንያ ኽወፁ እንተለዉ ኢየሱስ ጠመየ። ብርሑቕ ድማ ቘፃል በለስ ረአየ፤ ፍረ እንተ ረኸበላ ኽርኢውን ናብኣ ኸደ፤ ኣብኣ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ጊዜ በለስ ስለ ዘይነበረ፥ እንትርፊ ቘፅሊ ፍረ ኣይረኸበላን። ኢየሱስ “ደጊም ካባኺ ሓደኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ!” በላ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ። ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኮይኖም ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ኽሰጎም ጀመረ። ጠረጴዛ መሽረፍትን መደርደሪ ሸየጥቲ ርግብን ገምጠለ። ሓደኳ ኣቕሓ ፆይሩ፥ በታ ቤተ መቕደስ ክሓልፍ ኣይፈቐደን። “ ‘ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ’ ዝብልዶ ተፅሒፉ የለን እዩ? ንስኻትኩም ግና በዓቲ ኸተርቲ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሰሚዖም፥ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ይሓስቡ ነበሩ። እንተ ኾነ ዅሉ ህዝቢ፥ ብትምህርቱ ይድነቕ ስለ ዝነበረ፥ ፈርሕዎ። ምስ መሰየ ድማ ኻብታ ኸተማ ወፀ። ንግሆ ኽሓልፉ እንተለዉ፥ እታ በለስ ካብ ሱራ ነቒፃ ረአይዋ። ጴጥሮስ ድማ ዘከረ እሞ “መምህር፥ እታ ዝረገምካያ በለስ እኒሃ ነቒፃ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ መሊሱ፥ “ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ኵሉ እቲ ዝልምኖ ኸም ዝፍፀም እንተይተጠራጠረ ብልቡ ዝኣምን፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ ተልዒልካ ናብቲ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በሎ፥ ከም ዝኾነሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ስለዙይ ኵሉ እትፅልይዎን እትልምንዎን፥ ከም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ፥ ክኾነልኩም እዩ እብለኩም ኣለኹ። ክትፅልዩ እንተለኹም ከዓ፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ምእንቲ ይቕረ ኽብለልኩም፥ ንብፃይኩም ዝተቐየምኩምዎ እንተ ሃልዩ፥ ይቕረ በሉሉ። ንስኻትኩም ይቕረ እንተ ዘይልኩም፥ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩምውን፥ በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን እዩ” በሎም። “በየናይ ስልጣን እዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ወይ ከዓ ነዝ ነገራት እዙይ ኽትገብር ስልጣን ዝሃበካኸ መን እዩ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም መልሱለይ፤ ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ ንሳቶም ከዓ “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፥ ከመይ ደኣ ዘይኣመንክምዎ ኽብለና እዩ፤ ካብ ሰብዶ ኽንብሎ?” በሉ። እንተ ኾነ እቶም ህዝቢ ዅሎም፥ ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ ነቲ ህዝቢ ፈርሑ። ስለዙይ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ፤ ኢየሱስ ከዓ “ኣነውን በየናይ ስልጣን ነዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም። ኢየሱስ ብምስላ ኽነግሮም ጀመረ፤ “ሓደ ሰብኣይ ወይኒ ተኸለ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚውን ኰዓተሉ፤ መሐለዊ መንደቕውን ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ድማ ብብላዕ ሂብዎም፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ። ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኸምፅአሉ፥ ናብቶም ሓረስቶት ኣገልጋሊኡ ለኣኸ። ንሳቶም ግና ሒዞም ገረፍዎ፤ ጥራሕ ኢዱውን ሰደድዎ። መሊሱ ኻልእ ኣገልጋሊኡ ናብኣቶም ለኣኸ፤ ንእኡውን ብእምኒ ቐጥቂጦም ኣቝሲሎም፥ ኣዋሪዶም ሰደድዎ። ከምኡውን ሳልሳይ ካልእ ኣገልጋሊ ለኣኸ፤ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከዓ ለኣኸ፤ ንገሊኣቶም ገረፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ ቐተልዎም። ይኹን እምበር ሓደ ዝፈትዎ ወዲ ነበሮ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ ናብኣቶም ለኣኾ። እቶም ሓረስቶት ግና፥ ሒዞም ድማ ቐተልዎ፤ ካብቲ ኣታክልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ናብ ወፃኢ ደርበይዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ፥ እንታይ ኮን ክገብር እዩ? መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸዓ፥ ንኻልኦት ይህቦ። ዝብል ፅሑፍዶ ኣየንበብኩምን?” በሎም። ናብኡ መፂኦም ድማ “መምህር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾንካ ንሓደኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉ፥ መንገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር ንፈልጥ ኢና። ንቄሳር ግብሪ ምኽፋል ይግባእ ድዩ? ወይ ኣይግባእን? ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ፥ “ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እስኪ ነቲ ዲናር ክሪኦ ኣምፅኡለይ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ናይ ቄሳር” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ከዓ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ተደነቑ። ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ከዓ ናብኡ መፁ፤ “መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ እንተይወለደ ሰበይቱ ሓዲጉ እንተ ሞተ፥ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ፅሒፉልና ኣሎ። ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፤ ውሉድ እንተይሓደገ ሞተ። እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፤ ውሉድ እንተይሓደገውን ሞተ፤ እቲ ሳልሳይውን ከምኡ። ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ውሉድ ኣይሓደጉን፤ ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት። ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብትንሳኤ ምዉታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “መፃሕፍትን ሓይሊ እግዚኣብሄርን ብዘይ ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘለኹም? ምዉታን ምስ ተስኡስ፥ ከምቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም ዝኾኑ እምበር፥ ኣየውስቡን፤ ኣይዋሰቡን እዮም። ምዉታን ከም ዝትስኡስ፥ ንሙሴውን እግዚኣብሄር ኣብቲ ቘጥቋጥ፥ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ኸም ዝበሎ ኣየንበብኩምንዶ? እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን፤ ንስኻትኩም ግና ብዙሕ ትጋገዩ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም። ካብቶም መምህራን ሕጊ ሓደ፥ ከም ዝተኸራኸርዎሞ፥ ፅቡቕ ከም ዝመለሰሎም ሰሚዑ፥ ናብኡ ቐረበ። “ካብ ኵለን ትእዛዛት ዝዓበየት ኣየነይቲ እያ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ እያ፤ ‘ኦ እስራኤል፥ ስማዕ! እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’ እታ ንኣኣ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ንባዕልኻ ጌርካ ኣፍቅር’ እትብል እያ። ካብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ዝዓቢ ትእዛዝ የለን” ኢሉ መለሰሉ። እቲ መምህር ሕጊ ኸዓ “መምህር፥ ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ብሓቂ እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ድማ ኻልእ የለን። ‘ብምሉእ ልብኻን፥ [ብምሉእ ነፍስኻን] ብምሉእ ኣእምሮኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ምፍቃር፤ ንብፃይካውን ከም ነፍስኻ ምፍቃር’ እዙይ ካብ ኵሉ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ካብ ኵሉ ኻልእ መስዋእትን ይበልፅ እዩ” በሎ። ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ርሑቕ ኣይኮንካን” በሎ። ብድሕሪኡ ሓደኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን። ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃሮም እንተሎ “መምህራን ሕጊ ኸመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ? ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ፤ ይብል። ዳዊት ባዕሉ ‘ጐይታ’ ኻብ በሎ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን?” በለ። እቶም ብዙሓት ሰባት ድማ፥ ብታሕጓስ ይሰምዕዎ ነበሩ። እናመሃሮም እንተሎ ኸዓ “ካብቶም ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዝዞሩን፥ ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ፥ ኢድ ክነስኡሎም ዝደልዩ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድውን ዝለዓለ መንበር፥ ኣብ ማእዲ ዝኸበረ ስፍራ ኻብ ዝደልዩ፥ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ! ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ከምስሉ ድማ ኣንዊሖም ዝፅልዩ እዮም እሞ፤ እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኽቕበሉ እዮም” በሎም። ኢየሱስ ኣብ መንፅር ሙዳየ ምፅዋት፥ ተቐሚጡ፥ እቶም ሰባት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዘእትዉ ይርኢ ነበረ። ብዙሓት ሃብታማት ከዓ ብዙሕ የእትዉ ነበሩ። ሓንቲ ድኻ መበለት ድማ፥ መፂኣ ኽልተ ሳንቲም ዝኣክል ቆድራንቴን ኣእተወት። ኵሎም እዚኣቶም ካብ ተረፎም እዮም ዘእተዉ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ እታ ዘለታ ጥሪታ እያ ዝሃበት” በሎም። ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ክወፅእ እንተሎ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ህንፃኡን እምኑን ክንደይ ከም ዘደንቕ ረአ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ነዝ ዓብዪ ህንፃዶ ትሪኦ ኣለኻ? እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይተረፈ ዅሉ ኽፈርስ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። “እዝ ነገራት እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዝ ዅሉ መኣዝ ኸም ዝፍፀምከ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ሓደኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ፤ ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓት ከዓ ኸስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኹም ኣይትሸበሩ፤ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ፤ ግና መወዳእታኡ ገና እዩ። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፥ ክለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ጥሜትን ክኸውን እዩ፤ እዝ ነገራት እዙይ፥ ናይቲ ቕልውላው መጀመርታ እዩ።” ኣቐዲሙ ግና ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ግድን እዩ። ኣሕሊፎም ንኽህቡኹም ክወስዱኹም እንተለዉ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እንታይከ ኽንዛረብ ኢና? ኢልኩም ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። ሽዑ ዝውሃበኩም ተዛረቡ፤ እትዛረቡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን፥ መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር። ሓው ንሓዉ፥ ወላዲ ንውሉዱ፥ ኣሕሊፉ ንሞት ክህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ተሲኦም ክቐትልዎም እዮም። ምእንቲ ስመይ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።” እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተብሃለ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብ ዘይግብኦ እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸዓ፥ ናብ ገዛ ኣይውረድ፤ ዝኾነ ኽማላእ ኢሉውን ናብ ገዛ ኣይእቶ። እቲ ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸዓ፥ ክዳኑ ኽማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ እዋን እቲኣ ግና፥ ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን! ህድማኹም ብኽረምቲ ኸይኸውን ፀልዩ። ካብታ እግዚኣብሄር መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ፥ ክሳዕ ሎሚ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን መከራ፥ በታ እዋን እቲኣ ክኸውን እዩ። ነተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕፅረንስ፥ “ሽዑ ሓደኳ ‘ክርስቶስ ኣብዙይ እኒሆ’ ወይ ‘ኣብቱይ ኣሎ’ እንተበለኩም ኣይትእመኑ። ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም እሞ፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ሕሩያትውን፥ ከስሕቱ ምልክትን ዘደንቑ ነገራትን ክገብሩ እዮም። ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ! እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነጊረኩም ኣለኹ።” “እንተ ኾነ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ድሕሪ እዝ መከራ እዙይ፥ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ፥ ሓይልታት ሰማያትውን ክናወፁ እዮም። ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ብብዙሕ ሓይልን ክብርን ብደመና ኽመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም። ሽዑ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ነቶም ሕሩያቱ፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ክእክብዎም እዮም።” “ናይዙይ ምስላ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨናፍራ ምስ ለምለመ ቘፅላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ፥ እዝ ነገራት እዙይ ክኸውን እንተሎ ምስ ረአኹም፥ ምፅኣት ጐይታ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝበፅሐ ፍለጡ። እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።” “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ እንትርፊ ኣብ፥ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ ወይ ወልድ ሓደኳ ዝፈልጣ የለን። ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን፥ ፀልዩን። ከምቲ ገዛኡ ሓዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂቡ ሰስራሖም ዘትሕዞም፥ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገውን፥ ክነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ። እቲ በዓል ገዛ፥ ምሸት ወይ ፍርቂ ለይቲ ወይ ደርሆ ነቆ ወይ ንግሆ፥ መአዝ ኸም ዝመፅእ ስለ ዘይትፈልጡ፥ ድንገት መፂኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምስ ‘ንቕሑ’። እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”። እንተ ኾነ “ኣብ ህዝቢ ሁከት ከይለዓልስ ብበዓል ኣይኹን” በሉ። ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ እንዳ ስምኦን እቲ ለምፃም፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰናደወ፥ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ሒዛ መፀት፤ ነቲ ብልቃጥ ሰይራ ገሊኣቶም ኰሪዮም “እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጥፍኣት ምዑዝ ሽቱ ንምንታይ እዩ? እዝ ሽቱ እዙይ፥ ካብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንላዕሊ ተሸይጡ፥ ንድኻታትዶ ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ” በሉ። ንኣኣውን ነቐፍዋ። ኢየሱስ ግና “ነዛ ሰበይቲ ስለ ምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም? ሕደግዋ፤ ሰናይ ግብሪ እያ ዝገበረትለይ። ድኻታትስ ዅልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰናይ ግብሪ ኽትገብሩሎም እንተ ደሊኹም ትኽእሉ ኢኹም። ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። እዚኣ ዝከኣላ እያ ዝገበረት፤ ኣቐዲማውን ንቐብረይ ሰብነተይ ቀብአት። እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝተሰብኮ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ፥ ሓደ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ፥ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከደ። ንሳቶም ድማ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ገንዘብ በታ በጊዕ ፋሲካ ዝሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፥ ደቀ መዛሙርቱ “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ “ናብ ከተማ ኺዱ፤ ኣብኡ ዕትሮ ማይ ዝተሸከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ንእኡ ሰዓብዎ። ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ኺዱሞ፥ ነቲ በዓል ገዛ ‘መምህር፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ድራር ፋሲካ ዝበልዐላ መዕረፊ ጋሻ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ’ በልዎ። ንሱ ኸዓ ኣብ ደብሪ ዝተነፀፈን ዝተዳለወን ዓብዪ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ፤ ኣብኡ ኣዳልዉልና” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብታ ኸተማ ኸይዶም፥ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ ኣብኡውን ድራር ፋሲካ ኣሰናደዉ። ምስ መሰየ ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ መፀ። ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ፥ “ሓደ ኻባኻትኩም፥ እቲ ምሳይ ዝበልዕ ዘሎ፥ ከም ዘትሕዘኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኽሓዝኑ ጀመሩ፤ በብሓደውን “ኣነ ደኾን እኸውን?” በሉ። ኢየሱስ ከዓ “ሓደ ኻብ ዓሰርተ ኽልቴኹም እቲ ምሳይ ኣብ ፃሕሊ ዝፀብሕ እዩ። ወዲ ሰብስ፥ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ እቲ ንወዲ ሰብ ዘትሕዞ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይስ፥ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በሎም። እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዒሉ ባረኸ፤ ቈሪሱ ኸዓ “እንኩ፥ እዙይ ስጋይ እዩ” ኢሉ ሃቦም። ከምኡውን ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ሃቦም፤ ኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ። ንሱ ኸዓ “እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ዝፈስስ፥ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ፥ ደጊመ ኸም ዘይሰቲ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ። ምስ ተሳእኹ ግና፥ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም። ጴጥሮስ ድማ “ኵሎም እኳ እንተ ኸሓዱኻ፥ ኣነስ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ደርሆ ኽልተ ሻዕ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ። ጴጥሮስ ሽዑ “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር፥ ፈፂመ ኣይክሕደካን እየ” እናበለ የመና ኣትሪሩ ተዛረበ፤ ኵሎምውን ከምኡ በሉ። ጌቴሴማኒ ናብ እትበሃል ቦታውን መፁ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ኣብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝፅሊ ኣብዙይ ፅንሑ” በሎም። ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ተማሊኡ ኸዓ፥ ክሓዝንን ክትክዝን ጀመረ። “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ሓዚና ኣላ፤ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ትግሁውን” ቁሩብ ንቕድሚት ፈንተት ኢሉ ድማ፥ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እታ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ፥ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ፀለየ። “ኣባ፥ ኣቦይ! ኵሉ ይከኣለካ እዩ እሞ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ይኹን” በለ። ተመሊሱ ኸዓ ደቂሶም ረኸቦም፤ ንጴጥሮስ ድማ “ስምኦን፥ ደቂስካዶ? ሓንቲ ሰዓት እኳ ኽትነቅሕዶ ኣይከኣልካን? ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተጊህኹም ፀልዩ፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ እሞ” በሎ። ከምኡውን ከይዱ ኸምቲ ቕድም ዝፀለዮ ፀለየ። ካልኣይ ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ነበራ እሞ፥ ደቂሶም ረኸቦም፤ እንታይ ከም ዝምልሱሉ ድማ ኣይፈልጡን ነበሩ። ንሳልሳይ ጊዜ መፂኡ ኸዓ፦ “ደጊም ደቅሱ ዕረፉ፤ ይኣክል! እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ እንሆ፥ ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም። ተልዓሉ፤ ንኺድ! እንሆ እቲ ዘትሕዘኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም። ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ፥ ይሁዳ መፀ። ምስኡውን ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ነበሩ። እቲ ዘትሕዞ ኸዓ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ፤ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣቐዲሙ ምልክት ሂብዎም ነበረ። ሽዑ ይሁዳ መፂኡ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር” ኢሉ ሰዓሞ። ንሳቶም ከዓ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ። ካብቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓደ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ሰይፉ መዚዙ ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረፆ። ኢየሱስ ድማ “ከም ከታሪዶ በስይፍትን በብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም? ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም እውዕል ነይረ፥ ኣይሓዝኩምንን። እዙይ ዝኾነ ግና፥ እቲ ኣብ መፃሕፍቲ ዝተፅሓፈ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ” ኢሉ መለሰሎም። ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። ሓደ ዕርቃኑ ብነፀላ ዝሸፈነ መንእሰይ ድማ ይስዕቦ ነበረ፤ እቶም ኣጓብዝ ኸዓ ሓዝዎ። ንሱ ድማ ነፀላኡ ሓዲጉሎም ጥራሕ ዝባኑ ሃደመ። ንኢየሱስ ናብ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ድማ፥ ብሙሉኦም ናብኡ ተኣከቡ። ጴጥሮስ ድማ ኽሳዕ ውሽጢ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት፥ ርሕቕ ኢሉ ሰዓቦ፤ ኣብኡ ምስቶም ሓሻኽር ተቐሚጡውን፥ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ሊቃነ ካህናትን ኵሉ እቲ መጋባእያን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ምስክር ይደልዩ ነበሩ፤ ግና ኣይረኸቡን። ብዙሓት ብሓሰት መስከሩ፤ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን። ገሊኣቶም ሰባት ተሲኦም “ ‘ኣነ ነዝ ብኢድ ሰብ ዝተሃንፀ ቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ፥ ካልእ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሓንፅ እየ’ እንትብል ንሕና ሰሚዕናዮ” እናበሉ ብሓሰት መስከሩ። በዙይውን ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን። እቲ ሊቀ ካህናት ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “በዝ ዝምስክርዎ ዘለዉስ እትምልሶዶ የብልካን ኢኻ?” ኢሉ ንኢየሱስ ጠየቖ። ንሱ ግና መልሲ እንተይሃበ ስቕ በለ፤ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ደጊሙ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ቡሩኽ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። “ኢየሱስ ድማ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ከዓ ኣብ የማን ሓይሊ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ኽዳኑ ቐዲዱ “ደጊምከ እንታይ መሰኻኽር የድልየና? ፀርፉ ባዕልኻትኩም ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም፤ እንታይ ትብሉ?” በለ። ኵሎም ከዓ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ፈረዱ። ገሊኣቶም ድማ እንትፍ ክብሉሉን፥ ገፁ ጐልቢቦም እናወቕዑ “ተነበየልና! መን እዩ ዝፀፍዐካ!” ክብልዎን ጀመሩ፤ እቶም ሓሻኽርውን እናፀፍዑ ወሰድዎ። ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ውሽጢ ቕፅሪ እንተሎ፥ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ካህናት መፀት። ጴጥሮስ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ ምስ ረአየቶ፥ ኣተኲራ እናጠመተት፥ “ንስኻውን ምስ ኢየሱስ ናይ ናዝሬት ኔርካ ኢኻ” በለቶ። ንሱ ግና “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን፤ ኣየስተውዕሎንውን” ኢሉ ኸሓደ፤ ካብ ቅፅሪ ናብ ኣፍ ደገ ድማ ወፀ፤ ደርሆውን ነቀወ። እታ ገረድ ንሱ ግና ደጊሙ ኸሓደ፤ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፥ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ገሊላዊውን ኢኻ፤ ኣዘራርባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ። ንሱ ግና “ነዝ እትብልዎ ዘለኹም ሰብ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ደርሆ ንኻልኣይ ጊዜ ነቀወ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ ኽልተ ጊዜ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘኪሩ፥ ኣምሪሩ በኸየ። ጲላጦስ ድማ ንኢየሱስ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። እቶም ሊቃነ ካህናት ድማ፥ ብብዙሕ ነገር ከሰስዎ፤ ንሱ ግና ኣይመለሰን። ጲላጦስ ከዓ “እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል እንትኸሱኻ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትምልስን ዲኻ?” ኢሉ መሊሱ ጠየቖ። ኢየሱስ ግና ጲላጦስ ክሳዕ ዝግረም፥ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። እንሆ ኸዓ በብበዓል፥ ንሳቶም ዝለመንዎ፥ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሐሎም ነበረ። ምስቶም ሁከት ዝገበሩን፥ ነፍሲ ዝቐተሉን፥ በርባን ዝበሃል ሰብኣይ ተኣሲሩ ነበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ደዪቦም፥ ከምታ ልማዶም ክገብረሎም ለመኑ። ጲላጦስ መሊሱ፥ እቶም ሊቃነ ካህናት፥ ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ንበርባን ምእንቲ ኽፈትሐሎም ክልምኑ፥ ነቶም ህዝቢ ኣለዓዓልዎም። ጲላጦስ ደጊሙ “ነዝ ንጉስ ኣይሁድ ዝበሃል ደኣ፥ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ፥ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። “እንታይ ክፉእኸ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና የመና ዓው ኢሎም “ስቐሎ!” በሉ። ጲላጦስ ከዓ ነቶም ህዝቢ ኸሐጕሶም ደልዩ፥ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽሰቕልዎ ሃቦም። እቶም ወታደራት ድማ ናብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ ኣእተውዎ፤ ንዅሉ እቲ ሰራዊት ድማ ኣከብዎ። ቀይሕ ኽዳን ከደንዎ፤ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም ከዓ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። “ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ!” እናበሉ ኢድ ነሲኦም ሓጨጩሉ። ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፤ እንትፍ ከዓ በሉሉ፤ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ። ምስ ኣባጨዉሉ፥ ነቲ ቐይሕ ኽዳን ቐንጢጦም፥ ክዳኑ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ። ኣቦ እስክንድሮስን ሮፎስን ንዝኾነ፥ ሓላፊ መንገዲ ስምኦን ቀሬናዊ፥ ካብ ወፍሪ ኽኣቱ እንተሎ፥ ናይ ኢየሱስ መስቀል ክፀውር ኣገደድዎ። ንኢየሱስ ናብ ጎልጎታ፥ ትርጉሙ ኸዓ “ሓምሓም ርእሲ” ተብሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ቦታ ወሰድዎ። ምስ ከርበ ዝተሓወሰ ወይኒ ድማ፥ ክሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ግና ምስታይ ኣበየ። ሽዑ ሰቐልዎ፤ በብፅሒቶም ምእንቲ ኽፈልጡ ኸዓ፥ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ። ክሰቕልዎ እንተለዉ ኸዓ፥ ሰለስተ ሰዓት ነበረ። ናይ መኽሰሲኡ ፅሑፍውን “ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ኣብ ልዕሊ ርእሱ ተፅሒፉ ነበረ። ምስኡውን ክልተ ኸተርቲ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ ሰቐሉ። እቲ “ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ” ዝብል ፅሑፍውን ተፈፀመ። እቶም ብእኡ ዝሓልፉ ድማ፥ ርእሶም እናነቕነቑ፥ “ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርስ፥ ብሰለስተ መዓልቲ እውን እትሃንፅ፥ እስኪ ንባዕልኻ ኣድሕን፤ ካብ መስቀልውን ውረድ!” እናበሉ ይፀርፍዎ ነበሩ። ከምኡ ኸዓ፥ ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕጊ ኾይኖም “ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንባዕሉ ግና ኸድሕን ኣይከኣለን። ንሱ መሲሕ፥ ንጉስ እስራኤል እንተ ኾይኑ፥ ርኢና ብእኡ ኽንኣምንስ፥ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀሉ ይውረድ” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ፤ እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉውን ይፀርፍዎ ነበሩ። ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ትሽዓተ ሰዓት ምስ ኮነ ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ። ትርጕሙ ድማ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ። ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ገሊኣቶም “እንሆ፥ ንኤልያስ ይፅውዕ ኣሎ” በሉ። ሓደ ግና ጐይዩ፥ ሰፍነግ ኣብ መፂፅ ኣሊኹ፥ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ፥ “እስኪ ሕደጉ፤ ኤልያስ መፂኡ እንተ ኣውረዶ ኽንርኢ ኢና” እናበለ ኣስተዮ። ኢየሱስ ከዓ ብዓብዪ ድምፂ ገዓረ፤ ነፍሱውን ሃበ። መጋረጃ ቤተ መቕደስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ። እቲ ኣብ መንፅሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ነፍሱ ብኸምዙይ ካብ ስጋኡ ኸም ዝተፈለየት ምስ ረአየ “እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ ነይሩ” በለ። ንሳተን ኣብ ገሊላ እንተሎ ጀሚረን ዝተኸተላኦን ዘገልገላኦን እየን፤ መብዛሕተን እተን ካልኦት ግና፥ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ ነበራ። ምሸት ዓርቢ ድሮ ሰንበት መዓልቲ ምድላው ነበረ። እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበ፥ ፈላጥን ክቡርን ናይ ኣይሁድ ኣማኻሪ፥ ጲላጦስ ድማ፥ ቀልጢፉ ብሙማቱ ተደነቐ፤ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ፀዊዑ ኸዓ “ብርግፅዶ ሞይቱ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ከም ዝሞተ ምሰረጋገፀ፥ ስጋ ኢየሱስ ንዮሴፍ ክወሃብ ፈቐደ። ንሱ ድማ ሓድሽ ፃዕዳ ሃሪ ዓደገ፤ ኣውሪዱ ኸዓ በቲ ፃዕዳ ሃሪ ገነዞ፤ ኣብ ኰዅሒ ኣብ ዝተወቕረ መቓብርውን ቀበሮ፤ ነቲ ኣፍ መቓብር ከዓ፥ እምኒ እናገላበጠ ወሲዱ ዓፀዎ። ማርያም መግደላዊትን፥ ማርያም እኖ ዮሳን ድማ፥ ኣበይ ከም ዝቐበርዎ ይሪኣ ነበራ። ሰንበት ምስ ሓለፈት፥ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ያእቆብን፥ ሰሎሜን ስጋ ኢየሱስ ኽቐብኣ ምዑዝ ሽቱ ዓደጋ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ንጉሆ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ፥ ናብቲ መቓብር ገስገሳ። ንስንሳተን ከዓ “ነቲ እምኒ ኻብቲ ኣፍ መቓብር መን ከልዕለልና እዩ?” ተበሃሃላ፤ እቲ እምኒ የመና ገዚፍ ነበረ እሞ። ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ፥ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረአያኦ። ናብቲ መቓብር ኣትየን ከዓ፥ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደነ ጐበዝ፥ ብወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረአያ የመና ደንገፃ። ንሱ ስለዙይ ኪዳ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፥ ‘ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ከምቲ ዝበለኩም ከዓ፥ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም” በለን። [ፍርሓትን ራዕድን] ምድናቕን ሒዝወን ነበረ እሞ፥ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጐየያ፤ ፈሪሐን ስለ ዝነበራ ኸዓ፥ ንሓደኳ ኣይነገራን። ንሳ ድማ ኸይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፥ እናበኸዩን እናጐሃዩን እንተለዉ ነገረቶም። ንሳቶም ግና ንሱ ህያው ከም ዝኾነን፥ ንኣኣውን ከም ዝተርኣያን ሰሚዖም ኣይኣመንዋን። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንኽልተ ኻብኣቶም ካብቲ ኸተማ ወፃኢ ናብ ዝርከብ ዓዲ እናኸዱ እንተለዉ ኣብ መንገዲ ብኻልእ መልክዕ ተርኣዮም። ንሳቶም ከዓ ተመሊሶም ነቶም ብፆቶም ነገርዎም፤ እንተ ኾነ ንኣኣቶምውን ኣይኣመንዎምን። ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ። እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ። ነቶም ዝኣምኑ፥ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ክኽተልዎም እዮም፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውፅኡ፥ ብሓደሽቲ ቛንቋታት ክዛረቡ፥ ኣትማን ክሕዙ፥ ዝቐትል መርዚ እንተ ሰተዩውን ከቶ ኣይጐድኦምን፤ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት እንተ ኣንበሩ፥ እቶም ሕሙማት ክሓውዩ እዮም።” ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሄርውን ተቐመጠ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ወፂኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፤ ጐይታ ኸዓ ምስኣቶም ይሰርሕ ነበረ፤ ነቲ ቓሉውን በቲ ዝግበር ተኣምራት የፅንዖ ነበረ። ኣሜን።] ኦ ኽቡር ቴዎፍሎስ! ከምቲ ብዙሓት ነቲ ኣባና ብምልኣት ዝተፈፀመ ነገራት ክፅሕፉ ዝጀመሩ፥ እቶም ካብ መጀመርታ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፥ ናይቲ ቓል ኣገልገልትን፥ ናባና ዝተሓላለፈ፥ ኣነውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ጊዜ፥ ነቲ ነገር ካብ መሰረቱ ሒዘ፥ ብጥንቃቐ ምስ መርመርክዎ፥ ናይቲ ዝተምሃርካዮ ነገራት ርግፅነት ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ኣከታቲለ ኽፅሕፈልካ ቕኑዕ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ። ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ። እንተ ኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦም ድማ መዋእሎም ዝሓለፈ ኣረጋውያን ነበሩ። እንሆ ዘካርያስ ብተራኡ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብግብሪ ኽህነት ከገልግል እንተሎ፥ ከም ስርዓት ካህናት፥ ናብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዩ ዕጣን ክዓጥን ተራ በፅሖ። በቲ ጊዜ ዕጣን ድማ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብወፃኢ ኾይኑ ይፅሊ ነበረ። ሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ብወገን የማን እቲ መሰውኢ ዕጣን ቆይሙ ተርኣዮ። ዘካርያስ ምስ ረአዮ ደንገፀ፤ ዓብዪ ፍርሓትውን ወረዶ። “ዘካርያስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑልካ እዩሞ ኣይትፍራሕ፤ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፤ ስሙውን ዮሃንስ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ። ንሱ ሓጐስን ደስታን ክኾነልካ እዩ፤ ብምውላዱውን ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ዘስክር ካብ ህዝቢ እስራኤል ንብዙሓት፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክመልሶም እዩ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ብቑዕ ህዝቢ ምእንቲ ኸዳሉ፥ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፥ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ፃድቃን ምእንቲ ኽመልስ፥ ብመንፈስን ብሓይሊ ኤልያስን ቀቅድሚ ጐይታ ክኸይድ እዩ።” እቲ መልኣኽ መሊሱ፦ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቐውም ገብርኤል እየ፤ ነዙይ ክነግረካን ከብስረካን ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ። እንሆ ነቲ ብጊዜኡ ዝፍፀም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ ዝፍፀም በሃም ክትከውን፥ ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ” በሎ። እቶም ህዝቢ ግና ንዘካርያስ ይፅበይዎ ነበሩ፤ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ተገረሙ። ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ፥ ክዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ። ዘካርያስ እዋን ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ናብ ገዛኡ ተመለሰ። ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰበይቱ ኤልሳቤጥ ጠነሰት እሞ፥ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ንባዕላ ሓብአት። “ጐይታይ በዘን መዓልቲታት እዚኣተን ተመልከተኒ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝነበረኒ ውርደተይውን ኣርሓቐለይ” በለት። እቲ መልኣኽ ናብቲ ንሳ ዘላቶ ኣትዩ፥ “ኦ ምልእተ ፀጋ ደስ ይበልኪ! እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ፤ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ። ንሳ ድማ ምስ ረአየቶ በቲ ቓሉ ደንገፀት፤ “ከመይ ዝበለ ሰላምታ እዩ?” ኢላውን ሓሰበት። እቲ መልኣኽ ከዓ “ኦ ማርያም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ። እንሆ ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ክኸውን፥ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ክነግስ እዩ። ንመንግስቱውን መወዳእታ የብሉን” በላ። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ “ኣነ ሰብኣይ ኣይፈልጥን፤ እዝ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ይኸውን?” በለቶ። እቲ መልኣኽ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦ “መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኽመፅእ እዩ፤ ሓይሊ ልዑል እግዚኣብሄርውን ከፅልለልኪ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ኻባኺ ዝውለድ ቅዱስ እዩ፤ ወዲ እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ። እንሆ እታ ዘመድኪ ኤልሳቤጥ እኳ፥ ኣብ እርጋና ወዲ ጠኒሳ ኣላ፤ እታ መኻን ዝተብሃለት እዙይ ሻድሻይ ወርሓ እዩ፤ ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለንሞ።” ማርያም ድማ “እኒሀኹ፥ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር እየ፤ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ። ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ማርያም ቀልጢፋ ኣብ እምባታት ይሁዳ ናብ እትርከብ ሓንቲ ኸተማ ደየበት። ናብ እንዳ ዘካርያስ ኣትያ ድማ፥ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀና ተሰራሰረ፤ ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ። ብዓብዪ ድምፂውን ከምዙይ በለት፦ “ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፤ እቲ ናይ ማህፀንኪ ፍረውን ቡሩኽ እዩ። እኖ ጐይታይ ናባይ ክትመፂኸ፥ እዙይ ይግብአኒ ድዩ? እንሆ ድምፂ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኹ፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀነይ ብሓጐስ ተሰራሰረ። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዝፍፀም እትኣምኒ፥ ብፅእቲ ኢኺ።” “ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተመስግኖ፤ መንፈሰይ ከዓ ብኣምላኸይ፥ ብመድሓኒየይ ደስ ይብላ። እንሆ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ፥ ኵሎም ትውልዲ ብፅእቲ ኽብሉኒ እዮም። ስሙውን ቅዱስ እዩ። ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም። ንሃብታማት ግና ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም። ንዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፥ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ” በለት። ማርያም ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል፥ ምስ ኤልሳቤጥ ተቐሚጣ፥ ብድሕሪኡ ናብ ገዛኣ ተመለሰት። ኤልሳቤጥ እትወልደሉ ጊዜ በፅሐ፤ ወዲ ድማ ወለደት። ጐረባብታን ኣዝማዳን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ መፁ፤ ብስም ኣቦኡውን “ዘካርያስ” ኢሎም ሰመይዎ። እኖኡ ግና “ኣይፋሉን፤ ዮሃንስ ተብሂሉ እዩ ዝፅዋዕ” ኢላ መለሰት። ንሳቶም ከዓ “ካብ ኣዝማድኪ በዝ ስም እዙይ ዝፅዋዕ ሓደኳ የለን” በልዋ። ነቦኡ ድማ ስሙ መን ክበሃል ከም ዝደሊ፥ እናመልከቱ ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ ዝፅሕፈሉ ሉሕ ኽህብዎ ጠዪቑ “ዮሃንስ” ይበሃል ኢሉ ፀሓፈ፤ ኵሎም ድማ ተገረሙ። ሽዑ ንሽዑ ኣፉ ተኸፈተ፤ ልሳኑውን ተፈትሐ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣመስገኖ። ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ድማ ፍርሓት ወረደ። እዝ ነገር እዙይውን፥ ኣብ እምባታት ይሁዳ ዝርከባ ዓድታት ተሰምዐ። ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ምስቲ ህፃን ስለ ዝነበረት፥ ኵሎም እቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዕዎ “እዝ ህፃን እዙይስ፥ እንታይ ኮን ክኸውን እዩ?” እናበሉ ኣብ ልቦም ይዓቝርዎ ነበሩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ካብ ቤት ዳዊት ባርያኡ፥ ሓይሊ ምድሓን ኣተስአልና። እዙይ እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ፥ ኣብ ቅድሚኡ ብቕድስናን ብፅድቅን፥ ምእንቲ ኽነገልግሎ እዩ። ናይ ልዑል ነቢይ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ። ንህዝቡ ኽትህብ ኢኻ። ካብ ላዕሊ ብርሃን በሪቑ ኽበፅሐና እዩ። ነእጋርና ድማ ናብ መንገዲ ሰላም ክመርሕ እዩ።” በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሉ ዓለም ክምዝገብ ካብ ቄሳር ኣውግስጦስ ትእዛዝ ወፀ። እዝ ምዝገባ እዙይውን፥ ቄሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ እንተሎ ዝኾነ፥ ቀዳማይ ምዝገባ እዩ። ሽዑ ዅሉ ሰብ ክምዝገብ፥ ነናብ ዓዱ ኸደ። ዮሴፍውን ካብ ቤት ዳዊትን፥ ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት፥ ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ሕፅይቱ ማርያም ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትበሃል ከተማ ዳዊት፥ ክምዝገብ ደየበ። ኣብኡ እንተለዉ ድማ እትወልደሉ ዕለት በፅሐ። በዅሪ ወዳ ድማ ወለደት፤ በጭርቕትውን ጠቕለለቶ፤ ኣብቲ መሕደሪ ኣጋይሽ፥ ሰፈር ስለ ዘይነበሮም ድማ፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ኣደቀሰቶ። ኣብቲ ኸባቢ እቱይ፥ ብለይቲ መጓሰኦም ክሕልዉ፥ ኣብ ወፍሪ ዝሓደሩ ጓሶት ነበሩ። እንሆ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኦም ቆመ፤ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ የመና ድማ ፈርሑ። እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን፥ ዓብዪ ሓጐስ ኣብስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ። ሎሚ መድሕን፥ ንሱውን ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ። ምልክቱ ኸዓ እዙይ ኢዩ፦ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ህፃን፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ብድንገት ከዓ፥ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ፦ ይኹን!” ይብሉ ነበሩ። እቶም መላእኽቲ፥ ካብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፥ እቶም ጓሶት ንስንሳቶም፥ “ነዝ እግዚኣብሄር ዝገለፀልና ኽዉን ነገር ክንርኢ፥ ንዑ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ” ተበሃሃሉ። ቀልጢፎም ድማ ኸዱ፤ ንማርያምን ንዮሴፍን፥ ነቲ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ዝደቀሰ ህፃንውን ረኸብዎም። ነዙይ ምስ ረአዩ ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ህፃን ዝተነገሮም ነገር ኣውረዩ። እቶም ዝሰምዑ ዅሎም ከዓ፥ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። ማርያም ግና፥ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮን ትሓስቦን ነበረት። እቶም ጓሶት ድማ ኸምቲ ዝተነግሮም ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን፥ ንእግዚኣብሄር እናኽበሩን እናመስገኑን ተመለሱ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ፥ ናይ ምንፃሆም እዋን ምስ ኣኸለ፥ ነቲ ህፃን ናብ እግዚኣብሄር ከቕርብዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ። እዙይ ድማ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ በዅሪ ወዲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይበሃል” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ። ከምኡውን ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ መስዋእቲ የቕርቡሉ” ስለ ዝብል እዩ። እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምፅንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝፅበ፥ ፃድቕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ። ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መሲሕ እንተይረአየ ኸም ዘይመውትውን፥ መንፈስ ቅዱስ ገሊፁሉ ነበረ። ዮሴፍን ማርያምን ከም ስርዓት ሕጊ ኽገብሩሉ፥ ንህፃን ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣእተውዎ፤ ስምኦን ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሉ ናብኡ መፀ። ንሱ ድማ ኣብ ሕቝፉ ተቐቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኣመስገኖ፦ “ኦ ጐይታ! ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ፤ ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ሪአናኦ እየንሞ። እዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ዘዳሎኻዮ ድሕነት እዩ፤ ዮሴፍን እኖኡን ግና፥ በቲ ብዛዕባኡ ዝተብሃለ ይግረሙ ነበሩ። ስምኦን ከዓ ባረኾም፤ ንኖኡ ማርያም ድማ “እንሆ እዝ ህፃን እዙይ፥ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትሳኦምን፥ ከምኡውን ንዝቃወምዎ፥ ምልክት ኮይኑ ተሸይሙ እዩ። በዙይ ናይ ብዙሓት ሓሳባት ልቦም ክግለፅ እዩ፤ ንኣኺ ግና ብነፍስኺ ሰይፊ ኽሓልፍ እዩ” በላ። ካብ ነገድ ኣሴር ሃና እትብሃል ጓል ፋኑኤል፥ የመና ዝኣረገት ነቢዪት ነበረት፤ ብድንግልናኣ ምስ ዘእተወቶ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገበረት። ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት። ሽዑ መፂኣ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነቶ፤ ንዅሎም ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዝፅበዩ ከዓ፥ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። ከምቲ ዅሉ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ምስ ፈፀሙ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመለሱ። እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ፀንዐ፤ ጥበብውን መሊእዎ ነበረ፤ ፀጋ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ። እቶም ወለዱ ንበዓል ፋሲካ ዓመት ዓመት፥ ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ከምቲ ልማዳቶም በዓል ከኽብሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ። ነተን በዓላት ኣሕሊፎም፥ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ህፃን ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ፤ ዮሴፍን ማርያምን ግና ኣይፈለጡን። ምስ መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም፥ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ተጕዓዙ፤ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዝፈልጥዎምን ድማ ደለይዎ። ምስ ሰኣንዎ ግና፥ እናደለይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ማእኸል መምህራን ተቐሚጡ፥ ክሰምዖምን ክጥይቖምን እንተሎ ረኸብዎ። ዅሎም እቶም ዝሰምዕዎ ድማ፥ በቲ ምስትውዓሉን መልስታቱን ተገረሙ። ምስ ረአይዎ ድማ ገረሞም። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምዙይ ገበርካና? እንሆ ኣነን ኣቦኻን፥ ተጨኒቕና ኽንደልየካ ቐኒና” በለቶ። ንሱ ድማ “ንምንታይሞ ትደልዩኒ? ኣብቲ ገዛ ኣቦይ ክህሉ፥ ከም ዝግብአኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ግና፥ ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን። ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰብን፥ ብጥበብን ብቑመትን ብፀጋን ዓበየ። ጢባርዮስ ቄሳር ካብ ዝነግስ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፥ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ፥ ሃናን ቀያፋን ከዓ ሊቃነ ካህናት ኣብ ዝነበሩሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መፀ። ንሱ ድማ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸ፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ። መንገድታቱውን ኣቕንዑ፤ ድንጉር ይተኻኸል፤ ዮሃንስ ነቶም ክጥመቑ ናብኡ ዝመፁ ሰባት “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ኽተምልጡኸ፥ መን ሓበረኩም? እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ። እንሆ ማሕፀ ኣብ ሱር ንሱ ኸዓ “ክልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም። ተቐበልቲ ቐረፅ ድማ ኽጥመቑ መፂኦም “ኦ መምህር፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ “ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕልፊ ኣይትውሰዱ” በሎም። ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም። ዮሃንስ ከዓ “ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን፥ ከጥምቐኩም እዩ። ንሱ ዓውዱ ዘፅርየሉ፥ እኽሉ ናብ ቆፎኡ ዝኸተሉ መስአ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣሎ። ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። ካልእውን ብዙሕ ነገር፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮምን የብስሮምን ነበረ። እንተ ኾነ ዮሃንስ፥ ንንጉስ ሄሮድስ ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ እዙይ ወሲኹ ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ክፅሊ እንተሎ፥ ሰማይ ተኸፍተ። መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ። ሽዑ ኢየሱስ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍውን ይመስሎም ነበረ፤ ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ዮና፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ኤሲሊ፥ ወዲ ናጌ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮዳ፥ ወዲ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያል፥ ወዲ ኔሪ፥ ወዲ ኤልሞዳም፥ ወዲ ኤር፥ ወዲ ዮራም፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ ዮናን ወዲ ኤልያቄም፥ ወዲ ናታን፥ ወዲ ዳዊት፥ ወዲ ቦኤዝ፥ ወዲ ሰልሞን፥ ወዲ ነኣሶን፥ ወዲ ኤስሮም፥ ወዲ ፋሬስ፥ ወዲ ይሁዳ፥ ወዲ ታራ፥ ወዲ ናኮር፥ ወዲ ሳላ፥ ወዲ ሴም፥ ወዲ ኖህ፥ ወዲ ላሜህ፥ ወዲ መላልኤል፥ ወዲ ቃይናን፥ ወዲ እግዚኣብሄር። ኣብኡ ድማ ብዲያብሎስ፥ ነርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ፈፂሙ ኣይበልዐን፤ ዲያብሎስ ድማ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እስኪ እዝ እምኒ እዙይ፥ እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ!” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ ‘ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። ዲያብሎስ ድማ፥ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦ፤ ንመንግስታት ኵሉ ዓለምውን፥ ብቕፅበት ዓይኒ ኣርኣዮ። ሽዑ ዲያብሎስ “እዝ ስልጣን እዙይን ክብርን፥ ንዝደለኹ ኽህቦ ንኣይ ስለ ዝተውሃበኒ፥ እንተ ሰጊድካለይ ንኣኻ ኽህበካ እየ፤ ኵሉ ድማ ናትካ ክኸውን እዩ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። ዲያብሎስ ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዱ፥ ኣብ ገምገም ጕልላት ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ፤ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ዄንካስ፥ እስኪ ኻብዙይ ንታሕቲ ተወርወር። ‘ምእንቲ ኽሕልዉኻ መላእኽቱ ኽእዝዘልካ እዩ፤ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍውን፥ በእዳዎም ክድግፉኻ እዮም’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎሞ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ዝብል ድማ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ዲያብሎስ ፈተናኡ ዅሉ ምስ ወድአ፥ ንጊዜኡ ሓደጎ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ ኸደ፤ ብዕለት ሰንበት ከዓ፥ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ከንብብውን ተስአ። መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ሃብዎ፤ ነቲ መፅሓፍ እንተ ቐልዖ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ዝተፅሓፎ ኽፍሊ ረኸበ፦ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸብስር፥ ንሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።” ነቲ መፅሓፍ ዓፂፉ ኸዓ፥ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ፥ ኣዒንቶም ኣትኲሮም ይጥምትዎ ነበሩ። ሽዑ “ናይዚ መፅሓፍ እዙይ ቃል፥ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተፈፀመ” ክብሎም ጀመረ። ኢየሱስ ድማ “ ‘ኣታ ሓኪም፥ ቅድም ንባዕልኻ ፈውስ’ ዝብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ፥ ከምኡውን፥ ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ጌርካዮ ተብሂሉ ዝሰማዕናዮ፥ ኣብ ዓድኻውን ግበር ክትብሉኒ ኢኹም” በሎም። ኣስዒቡ ኸዓ “ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸቶ ኸም ዘይኸብር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ብዘመን ኤልያስ፥ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝተዓፅወሉ፥ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እውን ብርቱዕ ጥሜት ዝኾነሉ እዋን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ከም ዝነበራ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እንተ ኾነ ኤልያስ፥ ናብታ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እትርከብ ሓንቲ መበለት ደኣ እምበር፥ ካብኣተን ናብ ሓንቲ እኳ ኣይተልኣኸን። ብዘመን ነቢይ ኤልሳዕውን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምፃማት ነይሮም፥ እንተ ኾነ እንትርፊ እቲ ሶርያዊ ንእማን፥ ካብኣቶም ሓደኳ ኣይነፅሀን” በሎም። ሽዑ ተሲኦም ካብቲ ዓዲ፥ ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ። ከፅድፍዎውን ዓዶም ተሰሪሓትሉ ናብ ዝነበረት ገምገም እምባ ወሰድዎ። ንሱ ግና ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ። ድሕሪዙይ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፤ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። ቃሉ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ። ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ድማ ጋኔን፥ ንሱውን ርኹስ መንፈስ፥ ዝሓደሮ ሰብኣይ ነበረ፤ ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? መን ምዃንካ እፈልጥ እየ፤ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ኢኻ” እናበለ ኣእወየ። ኢየሱስ ግና “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ። እቲ ጋኔን ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእኸሎም ፃሕ ኣቢሉ ኣውደቖ፤ እንተይጐድኦውን ካብኡ ወፀ። ኵሎም ከዓ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ከዓ “እዝ ነገር እዙይ እንታይ እዩ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይወፁ” እናበሉ ተዘራረቡ። ዝናኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዐ። ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ናብ እንዳ ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ብርቱዕ ረስኒ ሓሚማ ስለ ዝነበረት፥ ብዛዕባኣውን ለመንዎ። ኢየሱስ ከዓ ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ፥ ነቲ ረስና ገሰፆ፤ እቲ ረስናውን ሓደጋ፤ ሽዑ ንሽዑ ተሲኣ ኸዓ ኣገልገለቶም። ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ዓው ኢሎም “ንስኻ ክርስቶስ ምስ ወግሐ ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ይደልይዎ ነበሩ፤ ናብኡ መፂኦምውን፥ ካብኣቶም ሓሊፉ ኸይኸዶም ሒዞም ኣቖምዎ። ንሱ ግና “ንኻልኦት ዓድታት ድማ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብከለን ኣለኒ፤ ምእንቲ እዙይ እየ ዝተልኣኽኩ እሞ” በሎም። ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ፥ ክልተ ጃልባታት ደው ኢለን ረአየ፤ እቶም ኣስገርቲ ዓሳ ድማ፥ ካብኣተን ወሪዶም መርበቦም ይሓፅቡ ነበሩ። ካብተን ጃልባታት ኣብ ሓዲአን፥ ኣብታ ናይ ስምኦን ጃልባ ደዪቡ፥ ካብ ምድሪ ቑሩብ ኣርሕቕ ከብላ ጠየቖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ። ትምህርቱ ምስ ወድአ ኸዓ ንስምኦን “ናብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ቕርብ በል እሞ፥ ዓሳ ኽተስግሩ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ። ስምኦን ድማ “መምህር፥ ምሉእ ለይቲ ፅዒርና ዝሓዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና፥ ነዝ መርበብ ኣውርዶ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ከምኡ ምስ ገበሩ ኸዓ፥ እቲ መርበቦም ክሳዕ ዝብተኽ፥ ብዙሓት ዓሳታት ሓዙ። ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብፆቶም፥ መፂኦም ክሕግዝዎም ፀውዕዎም። መፂኦም ድማ፥ ክልቲአን ጃልባታት፥ ንምጥላቕ ክሳዕ ዝቐርባ መልእወን። ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ። እዙይ ከዓ ንሱን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ በቲ ኸስግሩ እንተለዉ ዝሓዝዎ ዓሳ ስለ ዝተገረሙ እዩ። ከምኡውን እቶም ብፆት ስምኦን ዝነበሩ፥ ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ዮሃንስን ተገረሙ። ኢየሱስ ከዓ ንስምኦን “ኣይትፍራሕ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ኣስጋሪ ሰብ ክትከውን ኢኻ” በሎ። ንሳቶም ከዓ ጃልባታቶም ናብ ምድሪ ኣውፂኦም፥ ንዅሉ ሓዲጎም ተኸተልዎ። ኢየሱስ ካብተን ከተማታት ኣብ ሓዲአን እንተሎ፥ እንሆ ዅሉ ሰብነቱ ለምፂ ኢየሱስ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ኢሉ ዳህሰሶ፤ እቲ ለምፂ ዝሓዞ ሰብ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ። ንሱ ኸዓ “ኪድ፥ ንባዕልኻ ብዛዕባኡ ኣርኢ፤ ስለ ዝነፃህካ ድማ፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መስዋእቲ ኣቕርብ እምበር፥ ንሓደኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣዘዞ። ንሱ ግና ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ይፅሊ ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ክምህር እንተሎ፥ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን፥ ይሁዳን፥ ካብ ኢየሩሳሌምን፥ ዝመፁ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን፥ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ እቲ ሕሙማት ዘሕውየሉ ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ። እንሆ ኸዓ ሰባት ሓደ መፃጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ፤ ኣብ ገዛ ኣእትዮምውን ንኽፍውሶ ኣብ ቅድሚኡ ኸንብርዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘእትውዎ ምስ ተሸገሩ፥ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ፥ ነቲ ሰርወ ኣልዒሎም፥ ምስ ዓራቱ ናብ ውሽጢ ገዛ ኣውሪዶም፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣንበርዎ። ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ “ኣታ ሰብኣይ፥ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግና “እዝ ንእግዚኣብሄር ዝፀርፍ ዘሎ መን እዩ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄርከ፥ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ኽሓስቡ ጀመሩ። ኢየሱስ ከዓ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ኢልኩም ትሓስቡ? ኣየናይ ይቐልል? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ’ ምባልዶ ወይ፥ ‘ተሲእኻ ኺድ’ ምባል? እምበኣር፥ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ነቲ መፃጕዕ፥ “ንኣኻ እብለካ ኣለኹ፥ ተስእ እሞ ዓራትካ ፆይርካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ። ንሱ ድማ ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብድድ ኢሉ፥ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ፆይሩ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ፥ ናብ ገዛኡ ኸደ። ኵሎም ድማ ተገረሙ፤ ፍርሓትውን ሓደሮም፤ “ሎምስ ዘደንቕ ነገር ርኢና!” እናበሉ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ድሕሪዙይ ካብኡ ምስ ወፀ፥ ሌዊ ንዝበሃል ተቐባሊ ቐረፅ፥ ኣብ መቐበሊ ቀረፅ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፥ “ተኸተለኒ!” በሎ፥ ተሲኡ ኸዓ ንዅሉ ሓዲጉ ተኸተሎ። ሌዊ ድማ ንኢየሱስ፥ ኣብ ገዛኡ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ፤ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን፥ ካልኦት ሰባትን ምስኣቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ነበሩ። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን፥ ትበልዑን ትሰትዩን ኣለኹም?” እናበሉ ኣጕረምረሙ። ኢየሱስ ከዓ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን ናብ ንስሃ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ድማ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ጊዜ ይፆሙ፤ ፀሎትውን ይገብሩ፤ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ፤ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ስለ ምንታይ ይበልዑን ይሰትዩን?” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣዕርኽቲ መርዓዊ፥ እቲ መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽፆሙ ኣይኽእሉን። ግና እቲ መርዓዊ፥ ካብኣቶም ዝውሰደሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ እሞ፥ ሽዑ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ክፆሙ እዮም” በሎም። ከምዙይ ኢሉ ድማ መሰለሎም፥ “ሓድሽ ቍራፅ መልገባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደኳ የለን፤ እንተ ኾይኑውን፥ እቲ ሓድሽ መልገባ፥ ምስቲ ብላይ ስለ ዘይሰማማዕ፥ እቲ ሓድሽ ቍራፅ መልገባ፥ ነቲ ብላይ ይቐዶ። ንሓድሽ ወይኒ እውን፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ሓርቢ ይቐዶ፤ እቲ ወይኒ እውን፥ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ድማ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይንስ፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ እዮም ዝመልእዎ። ከራሚ ወይኒ እናሰተየ፥ ነቲ ኸራሚ ወይኒ ደኣ ጥዑም ይብል እምበር፥ ሓድሽ ወይኒ ዝደሊ የለን።” ኢየሱስ ብሰንበት፥ ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ፥ በእዳዎም እናሓሰዩ ኽበልዑ ጀመሩ። ካብ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “ስለ ምንታይ፥ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ትገብሩ ኣለኹም?” በልዎም። ኢየሱስ ድማ “ዳዊት፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝኣተወ እሞ፥ ንኻህናት ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ክበልዖ ዘይግባእ፥ ሕብስቲ ቝርባን ወሲዱ ኸም ዝበልዐ፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦም፥ ኣየንበብኩምን ዲኹም?” ኢሉ መለሰሎም። “ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ” ድማ በሎም። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከዓ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ኢሎም፥ ይፀናተውዎ ነበሩ። ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፥ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ “ተስእ እሞ ኣብ ማእኸል ደው በል!” በሎ። ንሱውን ተሲኡ ደው በለ። ኢየሱስ ከዓ “እስኪ ኽጥይቐኩም፤ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም። ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ እናጠመተ፥ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ዘርግሐ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት። ንሳቶም ግና የመና ተናደዱ፤ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ ንስንሳቶም ተማኸሩ። ኢየሱስ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ፤ ምሉእ ለይቲ እውን ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ ሓደረ። ምስ ወግሐ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀውዖም፤ ካብኣቶም ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መረፀ፤ “ሃዋርያት” ኢሉ ድማ ሰመዮም፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦንን፥ እንድርያስ ሓዉን፥ ያእቆብን፥ ዮሃንስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥ ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን፥ እቲ ቀናኢ ዝተብሃለ ስምኦንን፥ ይሁዳ ወዲ ያእቆብን፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን ነበሩ። ኢየሱስ ምስኣቶም ወሪዱ ድማ፥ ለጥ ኣብ ዝበለ መይዳ ደው በለ፤ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ድማ፥ ካብ ኵሉ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን፥ ምእንቲ ኽሰምዕዎን፥ ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኽፍወሱን ናብኡ መፁ። እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ። ካብኡ ሓይሊ ወፂኡ፥ ንዅሎም የሕውዮም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኽነኽእዎ ይደልዩ ነበሩ። ንሱ ግና ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ድኻታት፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም እያ እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። ኣቱም ሕዚ እትጠምዩ፥ ክትፀግቡ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። ኣቱም ሕዚ እትበኽዩ፥ ክትስሕቑ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። ሰባት ምእንቲ ‘ወዲ ሰብ’ እንተ ፀልኡኹም፥ እንተ ፈለዩኹም፥ እንተ ፀረፉኹም፥ ንስምኩምውን እንተ ኣነወርዎ፥ ብፁኣን ኢኹም። እንሆ ኣቦታቶም ድማ፥ ንነቢያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ደስ ይበልኩም፤ ብሓጐስውን ዝለሉ። ኣቱም ሃብታማት ግና ሓጐስኩም ወዲእኹም ኢኹም እሞ ወይለኹም! ኣቱም ሕዚ እትፀግቡ፥ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! ኣቱም ሕዚ እትስሕቑ፥ ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! ኵሉ ሰብ ፅቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፥ ወይለኹም! ኣቦታቶምውን ንሓሰውቲ ነቢያት ከምኡ ይገብሩሎም ነይሮም እዮም እሞ። “ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንእትሰምዑኒ እብለኩም ኣለኹ፦ ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝፀልኡኹም ድማ ፅቡቕ ግበሩ። ንዝረግሙኹም መርቑ፤ ምእንቲ እቶም ዝብድሉኹም ፀልዩ። መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ፥ እታ ኻልአይታውን ኣዙረሉ፤ ነፀላኻ ንዘሕደገካ፥ እጀ ጠባብካውን ኣይትኽልኣዮ። ንዝለመነካ ሃብ፤ ገንዘብካ ንዝወሰደውን፥ ምለሰለይ ኣይትበሎ። ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። “ንዝፈትዉኹም ጥራሕ እንተ ፈተኹም ደኣ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንዝፈትውዎምስ ይፈትዉ እዮም። ሰናይ ንዝገብሩልኩም ጥራሕ፥ ሰናይ እንተ ገበርኩምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ከምኡስ ሓጥኣንውን ይገብሩ እዮም። ክፈድየኩም ንትፅበይዎ እንተ ኣለቃሕኹምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንሓጥኣን፥ ክንድቲ ዘለቅሕዎም ክፍደዩ የለቅሕዎም እዮም። ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን፥ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ፥ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም። ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ርህሩህ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ርህሩሃት ኩኑ። “ኣይትፍረዱ፤ ኣይትፍረዱን ኢኹም፤ ኣይትዀንኑ፤ ኣይትዅነኑን ድማ ኢኹም፤ ይቕረ በሉ፤ ይቕረ ኽትበሃሉ ኢኹም። ሃቡ፤ ክወሃበኩም እዩ፤ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ፥ ክስፈረልኩም እዩ፤ ብፅቡቕ መስፈሪ ዝመልአ፥ ዝተፀቐጠ፥ ዝተነነወ፥ ሕልፍን ትርፍን ዝኾነ፥ ኣብ ሕቝፍኹም ክወሃበኩም እዩ።” ተምሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልፅን፤ ኵሉ ተምሂሩ ዝወድአ ግና፥ ከም መምህሩ እዩ ዝኸውን። “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ እንተይረአኻ፥ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምንታይ ትርኢ? ወይ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርእስ፥ ንሓውካ፥ ‘ኣታ ሓወይ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ መንገፍ እስኪ ኸውፅአልካ’ ኽትብሎዶ ትኽእል? ኣታ ግብዝ! ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ኣውፅእ እሞ፥ ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምውፃእ፥ ኣፅሪኻ ኽትርኢ ኢኻ። “ሕማቕ ፍረ ዝፈሪ፥ ፅቡቕ ኦም የለን፤ ወይ ከዓ ፅቡቕ ፍረ ዝፈሪ ሕማቕ ኦም የለን። በለስ፥ ካብ እሾኽ ኣይእረን፤ ወይኒ እውን፥ ካብ ኣሜከላ ኣይቕንጠብን እዩ፤ ኵሉ ኦም፥ ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ። ኣፍ ድማ፥ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ፥ እቲ ቕኑዕ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ድማ፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ እዩ ዘውፅእ። ኵሉ እቲ ናባይ ዝመፅእን፥ ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን፥ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ። ንሱ ገዛኡ ኽሰርሕ እንተሎ፥ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን፥ መሰረቱውን ኣብ ኰዅሒ ዝሰረተን ሰብ እዩ ዝመስል። ብርቱዕ ውሕጅ መፂኡ፥ ነቲ ገዛ ደፍኦ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተሰረተ ግና፥ ክነቓነቕ ኣይከኣለን። እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፥ ገዛኡ ብዘይ መሰረት፥ ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብ እዩ ዝመስል፤ እቲ ውሕጅ ደፍኦ፤ ሽዑ ንሽዑውን ወደቐ፤ ኣወዳድቓ እቲ ገዛ ኸዓ ዓብዪ ኾነ።” ኢየሱስ ኵሉ ዘረባኡ፥ ነቶም ህዝቢ ኣስሚዑ ምስ ወድአ፥ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ። ኣብኡ ኸዓ ሓሚሙ ንሞት ዝቐረበ፥ ዝፈትዎ ሓሽከር ዝነበሮ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ። ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ፥ መፂኡ ንሓሽከሩ ኸሕውየሉ፥ ሽማግለታት ኣይሁድ ንኽልምንዎ ናብኡ ለኣኸ። ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፤ ቤተ ፀሎትና ዝሰርሐልናውን ንሱ እዩ እሞ፥ እዙይ ክትገብረሉ ይግብኦ እዩ” ኢሎም ኣበርቲዖም ለመንዎ። ኢየሱስ ከዓ ምስኣቶም ከደ፤ ናብ ገዛኡ ምስ ቀረበ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕርኽቱ ልኢኹ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ጐይታ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን እዩ እሞ ኣይትድከም። ስለዙይ ድማ እየ፥ ናባኻ ንምምፃእ፥ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈፀርኩ። ግና ሓንቲ ቓል ተዛረብ ሓሽከረይ ክሓዊ እዩ። ኣነውን ሹም እየ፤ ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ ተገረመ፤ ናብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ምልስ ኢሉ ኸዓ “ከምዙይ ዝበለ እምነት፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፥ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። እቶም ልኡኻት፥ ናብ ገዛ ምስ ተመለሱ ድማ፥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ሓሽከር ሓውዩ ረኸብዎ። ኢየሱስ ንፅባሒቱ፥ ናይን ናብ እትብሃል ዓዲ ኸደ፤ ምስኡ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። ናብ በሪ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ንኖኡ ሓደ ዝኾነ፥ ወዲ ሓንቲ መበለት ሞይቱ፥ ሬሳኡ ተሸኪሞም እንትወፁ ረኸበ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ድማ ምስኣ ነበሩ። ጐይታ ኢየሱስ ምስ ረአያ ራህርሀላ እሞ፥ “ኣይትብከዪ” በላ። ቀሪቡውን ነቲ ቓሬዛ ነኽኦ፤ እቶም ፀወርትውን ደው በሉ፤ ንሱ ኸዓ “ኣታ ጐበዝ፥ ተስእ እብለካ ኣለኹ!” በሎ። እቲ ምዉት ድማ ተሲኡ ኾፍ በለ፤ ምዝራብውን ጀመረ፤ ኢየሱስ ድማ ንኖኡ ሃባ። ንዅሎም ከዓ ፍርሓት ሓዞም፤ “ኣብ ማእኸልና ዓብዪ ነቢይ ተሲኡልና፤ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ተመልኪትዎ” እናበሉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣመስገንዎ። ዝናኡውን ኣብ ኵላ ይሁዳን ከባቢኣን ተሰምዐ። ዮሃንስ ከዓ ኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦ “እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?” ኢሉ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ለኣኾም። እቶም ዝለኣኾም፥ ናብ ኢየሱስ ምስ በፅሑ “ ‘እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?’ ኢሉ መጥምቕ ዮሃንስ ናባኻ ልኢኹና” በልዎ። ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኢየሱስ ካብ ሕማምን ቃንዛን፥ ካብ ርኹሳት መናፍስትን፥ ንብዙሓት ኣሕወየ፤ ንብዙሓት ዕዉራትውን ከም ዝሪኡ ገበሮም። ኢየሱስ ከዓ “ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምውታን ይትስኡ፤ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኸሎም ኣሎሞ፥ ኬድኩም ዝረአኹምዎን ዝሰማዕኹምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁእ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትሪኡ ናብ ምድረ በዳ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምብቆዶ? እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ቀጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዝተኸደነ ሰብዶ፥ ክትሪኡ ወፂእኹም? እንሆ ብቐጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዘጌፁን፥ ብምቾት ዝነብሩንስ፥ ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ኣለዉ። እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይዶ? እወ፥ እኳ ደኣ ኻብ ነቢይ ዝዓቢ እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ። ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ፥ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ። ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም፥ ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ ነቢይ፥ ሓደኳ የለን እብለኩም ኣለኹ፤ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ግና፥ እቲ ዝንእሶ እዩ ዝዓብዮ።” ኵሎም ህዝብን ተቐበልቲ ቐረፅን ከዓ እዙይ ሰሚዖም፥ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ስለ ዝነበሩ “መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ” በሉ። ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ግና፥ ብእኡ ስለ ዘይተጠመቑ ነቲ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይተቐበልዎን። “እምበኣር ነዝ ትውልዲ እዙይ፥ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ንመንከ ይመስል? እቶም ኣብ ዕዳጋ ዝቕመጡሞ ንስንሳቶም ተፀዋዊዖም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን፤ ዝበሃሃሉ ቘልዑ ይመስሉ።’ እንጀራ ዘይበልዕን ወይኒ ዘይሰትን፥ መጥምቕ ዮሃንስ እንተ መፀ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ትብሉ። ዝበልዕን ዝሰትን፥ ወዲ ሰብ እንተ መፀ ድማ ‘እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ቐረፅትን ሓጥኣንን’ ትብሉ። ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ሓቅነታ ተረጋገፀ።” እንሆ ኣብቲ ዓዲ፥ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት፤ እንዳ እቲ ፈሪሳዊ፥ ኣብ ማእዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ፥ ጥዑም ጨና ዘለዎ፥ ብኣልባስጥሮስ ኣብ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ዝመልአ ሽቱ ኣምፅአት። ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ኾይና፥ እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ኽተርሕሶ ጀመረት፤ ብፀጕሪ ርእሳ እናደረዘት ድማ እግሩ ትስዕሞ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱውን ትቐብኦ ነበረት። ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን፥ ዝብለካ ኣለኒ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ “መምህር፥ ተዛረብ” በሎ። “ንሓደ መለቅሒ፥ ክልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፤ ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፥ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዝኸፍልዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፥ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካብኣቶም እቲ የመና ዘፍቅሮ ኣየናይ እዩ?” ስምኦን ከዓ “ንኣይስ እቲ ብዙሕ ዝተሓደገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፤ ኢየሱስ ድማ “ሓቂ ተዛሪብካ” በሎ። ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልፅ ኢሉ፥ ንስምኦን ከምዙይ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ትሪኣዶ ኣለኻ? ናብ ገዛኻ ኣትየ፥ ንስኻ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፤ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣርሓሰት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰት። ንስኻ ኣይሰዓምካንን፤ ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይቀባእኻንን፥ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብሽቱ ቐብአትኒ። ስለዙይ ብዙሕ ስለ ዝፈተወት፥ ንኣኣ እቲ ብዙሕ ሓጢኣታ ተሓዲጉላ እዩ፤ እብለካ ኣለኹ። እቲ ቑሩብ ዝሕደገሉ ግና፥ ቁሩብ እዩ ዘፍቅር።” ንኣኣ ድማ፦ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ” በላ። እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ድማ ብልቦም “እዙይ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእልስ መን እዩ?” ኢሎም ሓሰቡ። ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “እምነትኪ እያ ዘድሓነትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ። ከምኡውን ካብ ርኹሳት መናፍስትን፥ ካብ ሕማምን ዘሕወየን ኣንስቲ ነበራ፤ ንሳተንውን እታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝወፁላ መግደላዊት ዝብልዋ ማርያም፥ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዚ ቤት ሄሮድስ፥ ሶስና፥ ብገንዘባተን ዘገልገላኦም ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፥ ሰባትውን ካብ ዝተፈላለያ ኸተማታት ናብኡ ምስ መፁ፥ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “እንሆ ዘራኢ፥ ዘርኢ ኽዘርእ ወፈረ፤ ክዘርእ እንተሎ ድማ፥ ገሊኡ ኣብ ወሰን መንገዲ ወደቐሞ፥ ተረገፀ፤ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ። ገሊኡ ኸዓ፥ ኣብ ኰዅሒ ወደቐ፤ ምስ በቘለ ድማ፥ ራሕሲ ስለ ዘይነበሮ ነቐፀ። ገሊኡውን ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ምስኡ ዓብዩ ሓነቖ። ካልእ ኸዓ፥ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ወደቐ፤ በቘለ፤ ሚእቲ ዕፅፊ ድማ ፈረየ።” እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ድማ “እዝ ምስላ እዙይ እንታይ ማለት እዩ በልዎ?” ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢራት መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ፥ ንኻልኦት ግና እናረአዩ ኸይሪኡ፥ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉ፥ ብምስላ እዩ ዝንገሮም” በሎም። “ናይዝ ምስላ እዙይ ትርጕም ከዓ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዘርኢ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ፥ ምስላ ናይቶም ቃሉ ዝሰምዑ እዩ፤ ኣሚኖም ምእንቲ ኸይድሕኑ ኢሉ፥ ሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ። እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝወደቐ ዘርኢ ኸዓ፥ እቶም ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ብሓጐስ ዝቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዝኣምኑ እምበር፥ ሱር ስለ ዘይብሎም፥ ብጊዜ ፈተና ዝኽሕዱ እዮም። እቲ ኣብ እሾዅ ዝወደቐ ኸዓ፥ እቶም ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ናይ ዓለም ሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ዝሓንቆምሞ፥ ኣብ ፍረ ዘይበፅሑ እዮም። እቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝወደቐ ዘርኢ ድማ፥ ምስላ ናይቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም፥ ኣብ ቅኑዕን ፅቡቕን ልቢ ዝዕቅብዎን፥ ብትዕግስቲ እውን ፍረ ዘፍርዩን እዩ። እምበኣር፥ ዘይገሃድ ሕቡእ፥ ዘይፍለጥን ናብ ግሉፅ ዘይወፅእን፥ ስዉር ከቶ የለንሞ። ከመይ ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ፤ ንዘለዎ ክወሃቦ እዩ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ፥ ካብኡ ኽትውሰድ እያ።” እኖኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መፁ፤ ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ ግና፥ ክረኽብዎ ኣይከኣሉን። “እኖኻን ኣሕዋትካን ክሪኡኻ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ኢየሱስ ከዓ “እኖይን ኣሕዋተይንስ፥ እዞም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝገብርዎን እዮም” ኢሉ መለሰሎም። ሓደ መዓልቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ጃልባ ኣትዩ “ንዑ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር” በሎምሞ ኸዱ። ብጃልባ እናኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ደቀሰ፤ ኣብቲ ባሕሪ ድማ፥ ንፋስ ኣውሎ ተልዓለ፤ ነታ ጃልባኦምውን ማይ መልኣ፤ ንሳቶም ድማ ተጨነቑ። ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር፥ መምህር፥ ጠፋእና!” ኢሎም ኣንቅሕዎ፤ ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ባሕርን ገሰፆምሞ ፀጥ በሉ፤ ህደኣትውን ኮነ። ሽዑ “እምነትኩም ደኣ ኣበየሎ?” በሎም። ንሳቶም ድማ ፈርሑን ተደነቑን፤ ንስንሳቶምውን “እዝ ንባሕርን ንንፋስን ዝእዝዝ፥ ንሳቶም ድማ ዝእዘዙሉ መን እዩ?” ተበሃሃሉ። ድሕሪዙይ ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ እትርከብ ጌርጌሴኖን ብጃልባ ተሳገሩ። ኢየሱስ ካብ ጃልባ ናብ ምድሪ ምስ ወረደ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብኣይ፥ ካብታ ኸተማ ወፂኡ ተራኸቦ። ንሱ ኸዓ ንነዊሕ ዘመን ክዳን ዘይኽደን፥ ኣብ መቓብር እምበር፥ ኣብ ገዛ ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ። ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ወዲቑ ሰገደሉ፤ “ኦ ኢየሱስ፥ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ኣማሕፅነካ ኣለኹ” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ። ኢየሱስ ድማ ነቲ ርኹስ መንፈስ፥ ካብቲ ሰብኣይ ክወፅእ ኣዘዞ። ብዙሕ ጊዜ ይለዓሎ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። እንተ ኾነ ነቲ ሰንሰለት ይበትኮ፥ ነቲ መቝሕውን ይሰብሮ ነበረ፤ እቲ ጋኔን ከዓ፥ ናብ በረኻ ክኸይድ የዳፍኦ ነበረ። ኢየሱስ ድማ “ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፥ “ለጌዎን” ናብ መዓሙቕ ሲኦል ክኣትዉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ። ኣብኡ ድማ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት፥ ኣብ እምባ ተዋፊሩ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ናብተን ሓሰማታት ኽኣትዉ ኽፈቕደሎም ለመንዎ፤ ንሱውን ፈቐደሎም። እቶም ኣጋንንቲ እውን፥ ካብቲ ሰብኣይ ወፂኦም፥ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፤ እተን ሓሰማታት ድማ በርጊገን በቲ ፀድፊ፥ ኣብቲ ባሕሪ ጠሊቐን ሞታ። እቶም ጓሶት ከዓ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ ሃደሙ፤ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣትዮምውን ኣውረዩ። እቶም ህዝቢ ድማ እቲ ዝኾነ ነገር ክሪኡ ወፁ፤ ናብ ኢየሱስ መፂኦም ከዓ፥ እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሑ። እቶም ዝረአይዎ ድማ እቲ ጋኔን ዝነበሮ፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየ ነገርዎም። እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ህዝቢ ብምሉኦም፥ ዓብዪ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ካብ ዓዶም ክወፅእ ንኢየሱስ ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ጃልባ ደዪቡ ተመለሰ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ ድማ፥ ምስኡ ክኸውን ንኢየሱስ ለመኖ። ኢየሱስ ግና “ናብ ገዛኻ ተመለስ፤ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልካ ዓብዪ ነገር ድማ ንገር” ኢሉ ሰደዶ። ንሱ ኸዓ ኸይዱ፥ እቲ ዅሉ ኢየሱስ ዝገበረሉ፥ ንብዘላ እታ ኸተማ ነገረ። እንሆ ድማ ኢያኢሮስ ዝስሙ ሰብ መፀ፤ ንሱውን መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ንሱ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ዝዕድሚኣ ሓንቲ ጓል ጥራሕ ነበረቶ፤ ንሳውን ክትመውት ቀሪባ ነበረት። ኢየሱስ ምስኡ ክኸይድ እንተሎ እቶም ህዝቢ ይዳፋፍእዎ ነበሩ። ካብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ድማ መፀት፤ ንሳ ዅሉ ገንዘባ ንሓኻይም ሂባ ወድአት፤ እንተ ኾነ ሓደ እኳ ኸሕውያ ኣይከኣለን። ብድሕሪ ኢየሱስ ቀሪባ፥ ዘፈር ኽዳኑ ነኽአት፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ እቲ ምፍሳስ ደማ ኣቋረፀ። ኢየሱስ ከዓ፥ “መን እዩ ዝነኽአኒ?” በለ። ኵሎም “ኣይፈለጥናን” ምስ በሉ፥ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ “መምህር፥ እዞም ህዝቢ ናባኻ ይደፋፍኡን ይፀቓቐጡን ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ‘መን እዩ ዝነኽአኒ’ ትብል?” በሎ። ኢየሱስ ግና “ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወፀ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ዝነኽአንስ ኣሎ” በሎ። እታ ሰበይቲ ድማ ኸም ዘይተሓብአት ምስ ረአየት፥ እናንቀጥቀጠት መፂኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፥ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝነኽአቶ፥ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሓወየት ነገረት። ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ ኣሕውያትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ። ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሓደ ሰብ ካብ እንዳ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ መፂኡ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ” በሎ። ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፥ “ኣይትፍራሕ፤ እመን ደኣ፤ ጓልካስ ክትሓዊ እያ” በሎ። ኣብቲ ገዛ ምስ በፅሐ ድማ፥ እንትርፊ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን እኖኣን፥ ሓደኳ ምስኡ ኽኣቱ ኣይፈቐደን። ኵሎም ድማ፥ ይበኽዩላን ዋይ ዋይ ይብሉላን ነበሩ፤ ሽዑ ኢየሱስ “ኣይትብከዩ፤ እዛ ቘልዓ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” በሎም። ንሳቶም ግና ኸም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ ሰሓቕዎ። ንሱ ኸዓ ንዅሎም ናብ ደገ ኣውፂኡ ብኢዳ ሒዙ “ኣቲ ቘልዓ፥ ተስኢ!” በላ። ሽዑ ትንፋሳ ተመለሰት እሞ፥ ብቕፅበት ተስአት፤ ዝብላዕ ክህብዋ ድማ ኣዘዘ። እቶም ወለዳ ገረሞም፤ ንሱ ግና፥ ነቲ ዝኾነ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ብሓባር ፀዊዑ፥ ሕሙማት ንኸሕውዩ፥ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዅሉ ሓይልን ስልጣንን ሃቦም። መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብኩን፥ ሕሙማት ከሕውዩን ከዓ ለኣኾም። ከምዙይውን በሎም፦ “ንመገሻ በትሪ ኾነ ሳንጣ፥ እንጀራ ኾነ ገንዘብ ኣይትማልኡ፤ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ኣይትሓዙ። ኣብታ ዝኣተኹምዋ ገዛ ተቐመጡ፤ ክሳዕ እትወፁ ኸዓ፥ ኣብኣ ፅንሑ። እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።” ንሳቶም ድማ ወፂኦም፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞሩ ወንጌል ይሰብኩ፥ ኣብ ኵሉውን ሕሙማት የሕውዩ ነበሩ። ንጉስ ሄሮድስ፥ ገሊኣቶም ድማ “ኤልያስ ተርእዩ” ገሊኣቶምውን “ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ነቢያት ተሲኡ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ሄሮድስ ግና “ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ፤ እዝ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘለኹ ደኣ መን እዩ?” በለ፤ ክሪኦውን ይደሊ ነበረ። ሃዋርያት ምስተመለሱ፥ ኵሉ ዝገበርዎ ነገርዎ፤ ንበይናቶም ድማ፥ ቤተ ሳይዳ ናብ እትበሃል ከተማ ሒዙዎም ከደ። እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ሰሚዖም ሰዓብዎ፤ ንሱ ድማ ተቐበሎም፤ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን ነገሮም፤ ነቶም ክሓውዩ ደልዮም ዝመፁውን ኣሕወዮም። ሽዑ ኽመሲ እንትብል፥ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ቀሪቦም፥ “ኣብዙይ ኣብ በረኻ ኢና ዘለና እሞ፥ እዞም ህዝቢ ኣብ ከባቢና ናብ ዘለዉ ኸተማታትን ቍሸታትን ከይዶም ክሓድሩ፥ ዝብላዕውን ምእንቲ ኽረኽቡ ኣፋንዎም” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩም ዝበልዕዎ ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕና ኼድና፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ ዝብላዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኮይኑ፥ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን፥ ኣይበዝሕን እዩ” በልዎ። እቶም ሰባት ከዓ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ይኾኑ ነበሩ፤ ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “በብሓምሳ እናሰራዕኹም ኣቐምጥዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ንዅሎምውን ኣቐመጥዎም። ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ጠመተ እሞ፥ ባሪኹ ቘረሰ፤ ነቶም ህዝቢ ኸቕርቡሎም ከዓ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስውን፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ። ኢየሱስ ንበይኑ ኽፅሊ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱ ድማ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “መጥምቕ ዮሃንስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ኤልያስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ካብቶም ቀዳሞት ነቢያት ሓደ፥ ተሲኡ እዩ ዝብሉውን ኣለዉ” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” በሎም። ጴጥሮስ ድማ “ንስኻ እቲ ናይ እግዚኣብሄር መሲሕ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ግና ነዝ ነገር እዙይ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣጠንቀቖም፤ ኣዘዞምውን። “ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽረክብ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ድማ፥ ክከሓድን ክቕተልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ ግድን እዩ” በሎም። ንዅሎም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደድሕረይ ክኽተለኒ ዝደሊ ሰብ ንባዕሉ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሰኪሙውን መዓልቲ መዓልቲ ይከተለኒ። እቲ ንነፍሱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ። ሰብ ኣብ ዓለም ብዘሎ ዅሉ ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ? ኵሉ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ‘ወዲ ሰብ’ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ኽመፅእ እንተሎ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሪእዋ፥ ዘይሞቱ ኣለዉ።” ክፅሊ እንተሎ ትርኢት ገፁ ተለወጠ፤ ክዳውንቱውን ዘንፀባርቕ ፃዕዳ ኾነ። እንሆ ኸዓ ኽልተ ሰባት ሙሴን ኤልያስን፥ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ። እዞም ብኽብሪ ዝተገለፁ እዚኣቶም፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍፀም ዘለዎ ሞቱ፥ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ። ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ግና፥ ድቃስ ከቢድዎም ነበረ፤ ምስ ተበራበሩ ድማ ግርማኡን፥ ምስኡ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰባትን ረአዩ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኻብኡ ኽፍለዩ እንተለዉ፥ ጴጥሮስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ንሱ እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ደመና መፂኡ ኸወሎም፤ ናብቲ ደመና ምስ ኣተዉ ድማ ፈርሑ። ካብቲ ደመናውን፥ “እቲ ዝሓረኽዎ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምፂ መፀ። እቲ ድምፂ ምስ ተሰምዐ፥ ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ሽዑ ዝረአይዎ ነገር፥ ንሓደኳ እንተይነገሩ ስቕ በሉ። ኢየሱስ ንፅባሒቱ፥ ካብቲ እምባ ምስ ወረደ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ። እንሆ ኸዓ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፥ “ኦ መምህር! ውላደይ ሓደ ንሱ እዩ፤ ነዝ ወደይ ክትሪአለይ እልምነካ ኣለኹ። እንሆ ርኹስ መንፈስ ብድንገት ይሕዞሞ የእውዮ፤ የውድቖ፤ ፈርፈር የብሎ፤ የዕፍሮ፤ ኣንቀጥቂጡ ድማ ብጭንቂ ይሓድጎ። ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ለሚነዮምስ፥ ከውፅእዎ ኣይከኣሉን።” ኢየሱስ ከዓ “ኣታ እምነት ዝጐደሎ ቐይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ኽሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? በል ንወድኻ ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ። እቲ ወዲ ናብ ኢየሱስ ምስ ቀረበ፥ እቲ ጋኔን ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣቢሉ ኣንገርገሮ፤ ኢየሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገሰፆ። ነቲ ቘልዓውን ኣሕውዩ ነቦኡ ሃቦ። ዅሎም ከዓ ብዕብየት ሓይሊ እግዚኣብሄር ተገረሙ። ኵላቶም በቲ ዅሉ ኢየሱስ ዝገበሮ እናተደነቑ እንተለዉ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ፦ “ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ” በሎም። ንሳቶም ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣየስተውዓልዎን። ካብኣቶም ተሰዊሩ ስለ ዝነበረውን ኣይተረድኦምን። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርሑ። ኢየሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ፥ ንሓደ ህፃን ወሲዱ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣበሎ። “ነዝ ህፃን እዙይ ብስመይ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል፤ እቲ ኻብ ኵልኻትኩም ዝንእስ፥ ንሱ ኻብ ኵልኻትኩም ዝዓቢ ክኸውን እዩ” በሎም። ዮሃንስ ከዓ “መምህር፥ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “እንተ ደኣ ዘይቃወመኩም ኮይኑ፥ ወገንኩም እዩ እሞ ኣይትኸልክልዎ” በሎም። ንኸሰናድዉሉውን ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ሓንቲ ዓዲ ናብ ሰማርያ ኣተዉ። እቶም ህዝቢ ግና፥ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ንምኻድ ኣምሪሑ ስለ ዝነበረ ኣይተቐበልዎን። ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ነዙይ ምስ ረአዩ “ጐይታ! ኢየሱስ ምልስ ኢሉ፦ “ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም። ወዲ ሰብ ህይወት ሰብ ከድሕን እምበር፥ ከጥፍእ ኣይመፀን” ኢሉ ገሰፆም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸዓ ኸዱ። ኢየሱስ ከዓ “ንወኻሩ ጕድጓድ፥ ነዕዋፍ ሰማይውን ሰፈር ኣለወን፤ ንወዲ ሰብ ግና፥ ርእሱ ዘፀግዐሉ ስፍራ የብሉን” በሎ። ንሓደ ኻልእ ከዓ “ተኸተለኒ” በሎ፤ ንሱ ድማ፥ “ኦ ጐይታ! ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብር ፍቐደለይ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ምውታን፥ ንምውታኖም ይቕበሩ ሕደጎም፤ ንስኻ ግና ኺድ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኣብስር” በሎ። ካልእ ሓደ ሰብ ድማ “ኦ ጐይታ! ክኽተለካ እየ፤ ግና ቕድም ንስድራ ቤተይ ክሰናበት ፍቐደለይ” በሎ። ኢየሱስ ግና “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይበቅዕን እዩ” በሎ። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣዝመራኡ ብዙሕ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም። ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ክልእኽ ለምንዎ። ደጊም ኪዱ፤ እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ። ሳንጣ ወይ ከረጢት ወይ ኣሳእን ኣይትሓዙ፤ ኣብ መንገዲውን ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ። ኣብ እትኣትዉዋ ገዛ ኣቐዲምኩም ‘ነዝ ገዛ እዙይ ኣብኡ ናይ ሰላም ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ሰላምኩም ኣብኡ ኽሓድር እዩ። እንተ ዘይሃልዩ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ክምለስ እዩ። ኣብታ ገዛ ኸዓ ተቐመጡ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑን ስተዩን። ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኣይትኺዱ። ኣብ እትኣትዉዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑ። ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ‘መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ እውን በልዎም። ኣብታ እትኣትዉዋ ኸተማ፥ ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ናብ ኣደባባያ ወፂእኹም፥ ‘እቲ ኻብ ከተማኹም፥ ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ሓመድ እኳ፥ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተ ኾነ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ’ በልዎም። ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንሰዶም ከም ዝቐለላ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኻትክን ንጢሮስን ንሲዶናን ክቐለለን እዩ። ኣቲ ቅፍርናሆምውን፥ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ትብሊ ኣለኺ? እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።” ኢየሱስ ድማ፦ “ሰይጣን ከም መብረቕ፥ ካብ ሰማይ ክወድቕ እንተሎ ረአኽዎ። እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ፀላእን ክትረግፁ፥ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩምውን ከቶ የለን። ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም። ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተውሂቡኒ እዩ። ንወልድ ብዘይ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን። ንኣብውን ብዘይ ወልድን፥ እቲ ወልድ ክገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን።” ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ ኸዓ፥ ንበይናቶም፦ “ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ዝሪኣ ኣዒንቲ ብፁኣት እየን። ብዙሓት ነቢያትን ነገስታትን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም ክሪኡ ተመነዩ፤ ግና ኣይረአዩን፤ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹምውን፥ ክሰምዑ ተመነዩ፤ ግና ኣይሰምዑን እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ንሱ ኸዓ “ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ተፅሒፉ ኣሎ? እንታይከ ተንብብ?” በሎ። ንሱ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፤ ንብፃይካ ድማ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ፥ “ፅቡቕ መሊስካ፤ ከምኡ ግበር እሞ፥ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ። ንሱ ግና ንባዕሉ ኽመፃደቕ ደልዩ፥ ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ኢያሪኮ ኽወርድ እንተሎ፥ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ገፈፍዎን ቀጥቀጥዎን እሞ፥ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ሓዲጎምዎ ኸዱ። ሓደ ካህን ድማ፥ በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ሪእዎ፥ ዘወር ኢሉ ሓለፈ። ከምኡውን ሓደ ሌዋዊ፥ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በፅሐ፥ ሪእዎ ዘወር ኢሉ ሓለፈ። ሓደ ሓላፊ መንገዲ ሳምራዊ ግና ናብኡ መፀ፤ ምስ ረአዮ ድማ ራህርሀሉ። ናብኡ ቐሪቡውን ዘይትን ወይንን፥ ኣብ ቍስልታቱ ኣፍሲሱ ኣሰረሉ፤ ኣብ ኣድጉ ፅዒኑ ድማ፥ ናብ መሕደሪ ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ። ንፅባሒቱ ድማ ኽልተ ዲናር ኣውፂኡ፥ ነቲ ሓላዊ መሕደሪ ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፥ ‘በዝ ገንዘብ እዙይ ተኸናኸኖ፤ ንእኡ ኢልካ፥ ካብዙይ ንላዕሊ እተውፅኦ ዅሉ፥ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ’ በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ፥ ካብ ሰለስቲኦም ብፃይ ዝኾኖ፥ መን ይመስለካ?” ንሱ ድማ “እቲ ሰናይ ዝገበረሉ” በሎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ኪድሞ፥ ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ። ማርያም እትብሃል ሓፍቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ፥ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ፥ ቃሉ ትሰምዕ ነበረት። ማርታ ግና ብዙሕ ብምድላው ትደክም ነበረት። ናብኡ ቐሪባ፥ “ኦ ጐይታ! ሓፍተይ ሓዲጋትኒ በይነይ እናሰራሕኹስ፥ ኣየሕዝነካን ድየ? ክትሕግዘኒ እንዶ ንገራ?” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ማርታ! ማርታ! ንምንታይ ብብዙሕ ትጭነቒን ትህወኺን ኣለኺ? እቲ ዘድሊ ግና፥ ሓደ ጥራሕ እዩ። ማርያምስ ነቲ ዝበለፀ ግደ መሪፃ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን” ኢሉ መለሰላ። ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኽፅሊ ፀኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ኦ ጐይታ! ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀሎት ዝመሃሮም፥ ፀሎት መሃረና” በሎ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት ምግብና በብዕለቱ ሃበና። ናብ ፈተና ኣይተእትወና።’ ” ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “ካባኻትኩም ሓደ ዓርኪ ዘለዎ እሞ፥ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ‘ዓርከይ፥ ፈታዊየይ ገይሹ መፂኡንስ፥ ዘቕርበሉ ስኢነ እሞ፥ በይዛኻ ሰለስተ እንጀራ ኣለቅሐኒ’ እንተ በሎ፥ እቲ ዓርኩ ኸዓ ኻብ ውሽጢ መሊሱ ‘ኣይተሸግረኒ፤ ሕዚ ማዕፆ ተሸጕሩ እዩ፤ ደቀይውን ምሳይ ኣብ ዓራት ደቂሶም ኣለዉ፤ ተሲአ ኽህበካ ኣይክእልን’ ዘይብሎ መን እዩ? ይኹን እምበር፥ ዓርኩ ስለ ዝኾነ፥ ተሲኡ ኽህቦ እኳ እንተ ዘይደለየ፥ ምእንቲ ኸየትክሮ ኢሉ፥ ተሲኡ ዝደለዮ ኸም ዝህቦ እብለኩም ኣለኹ። ኣነውን ‘ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆውን ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ’ እብለኩም ኣለኹ። ኵሉ ዝለመነ፥ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ይኽፈተሉ እዩ እሞ። ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፥ ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ? ወይ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ክንዲ ዓሳ ተመን ዝህቦ? ወይ እንቍላሊሕ እንተ ለመኖ፥ ዕንቅርቢት እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!” ካብኣቶም ድማ “ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል፥ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ። ካልኦት ድማ ኽፍትንዎ፥ ካብኡ ኻብ ሰማይ ምልክት ይደልዩ ነበሩ። ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስንሳታ ዝተፈላለየት መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ ዝተፈላለየት ቤትውን ትወድቕ። ንኣይ ‘ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል እዩ ዘውፅኦም ዘሎ’ እትብሉንስ፥ መንግስቲ ሰይጣን ንስንሳታ እንተ ተፈላለየት ደኣ፥ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም? ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ኾይነ ደኣ፥ ደቅኹም ብመን የውፅእዎም ኣለዉ? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድትኹም ክኾኑ እዮም። ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም ካብ ኮንኩ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም መፂኣ እያ። እቲ ሓያል ሰብ፥ ኣፅዋሩ ዓጢቑ ቤቱ እንተ ሓለወ፥ ኵሉ ጥሪቱ ብሰላም ይነብር። ካብኡ ዝሕይል መፂኡ እንተ ሰዓሮ ግና፥ ነቲ ዝእመኖ ዝነበረ ኣፅዋሩ ይምንዝዖ፤ ነቲ ዝማረኾውን የማቕል። እቲ ምሳይ ዘይኮነ፥ ንሱ መፃርርተይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይብትን። “ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ፥ ማይ ናብ ዘይብሉ ኣፃምእ ቦታ ይኸይድ እሞ፥ እንተ ዘይረኸበ፥ ‘ናብታ ዝወፃእኹላ ገዛይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል። ምስ መፀ ድማ፥ ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይፀንሖ። ብድሕሪዙይ ንሱ ይኸይድ፤ ካብኡ ዝገደዱ ኻልኦት ሸውዓተ መናፍስቲ እውን፥ ምስኡ ይማላእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቱይ፥ ካብ ቀዳማዩ ዳሕረዋዩ ዝገደደ ይኸውን።” ንሱ ግና፥ “ብፁኣንስ፥ እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን እዮም” በላ። ከምቲ ዮናስ፥ ንሰብ ነነዌ ምልክት ዝኾኖም፥ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ነዝ ትውልዲ እዙይ፥ ምልክት ክኾኖ እዩ። ንግስተ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ምስ ሰባት እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኣ፥ ክትኵንኖም እያ፤ እንሆ ኻብ ሰሎሞን ዝዓቢ ግና ኣብዙይ ኣሎ። ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኦም፥ ክዅንንዎ እዮም። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና፥ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ። ናይ ሰብነትካ መብራህቲ፥ ዓይንኻ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ኾይና፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን፤ ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ኾይና ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን። እምበኣርከስ፥ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ። ኵሉ ሰብነትካ ፈፂሙ ፀልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ኾነ፥ ከምቲ መብራህቲ ብምድማቑ ዘብርሀልካ፥ ኵሉ ሰብነትካ ድማ ብሩህ ክኸውን እዩ።” እቲ ፈሪሳዊ፥ ኢየሱስ ቅድሚ ምሳሕ፥ ኢዱ ኸም ዘይተሓፀበ ምስ ረአየ ተገረመ። ጐይታ ግና ኸምዙይ በሎ፥ “እንሆ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፥ ንዋንጫን ፃሕልን ላዕሊ ላዕሉ ተፅርዩ፤ ውሽጥኹም ኣቱም ግብዛት፥ እቲ ላዕሊ ላዕሉ ዝፈጠረ፥ ነቲ ውሽጡስ ኣይፈጠረንዶ? ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምፅዋት ሃቡ፤ ድሕሪዙይ ኵሉ ነገር ፅሩይ ክኾነልኩም እዩ። ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከምቲ ሰብ እንተይፈለጠ ረጊፅዎ ዝሓልፍ፥ ዘይረአ መቓብር ኢኹም እሞ ወይለኹም!” ሽዑ ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ሕጊ መሊሱ “መምህር፥ ከምዙይ ክትብል እንተለኻስ ንኣናውንኮ ትፀርፈና ኢኻ ዘለኻ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፥ “ንስኻትኩም ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ እውን፥ ንሰብ ከቢድ ፆር እተሰክምዎ፥ ንባዕልኻትኩም ግና፥ ነቲ ፆር ብሓንቲ ኣፃብዕትኹም እኳ ኣይትነኽእዎን ኢኹም እሞ ወይለኹም! ናይቶም ኣቦታትኩም ዝቐተልዎም ነቢያት መቓብር እትሃንፁ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ንሳቶም ቀተልዎም፤ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሃንፁ ኢኹም እሞ፥ ንስኻትኩም ተሓባበርትን መሰኻኽሮምን ኢኹም። ስለዙይ ድማ ጥበብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለት፦ ‘ነቢያትን ሃዋርያትን ናብኣቶም ክልእኽ እየ፤ ካብኣቶም ከዓ ንብዙሓት ክቐትልዎምን ከሳጕጉዎምን እዮም።’ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነቢያት፥ ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ደም ዘካርያስ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ። እወ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ እብለኩም ኣለኹ። ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ፥ መርሖ ፍልጠት ሒዝኩም እንተለኹም፥ ንባዕልትኹም ኣይኣተኹምን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ትኽልክሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም!” ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብፅኑዕ ክቃወምዎን፥ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ክጥይቕዎን ጀመሩ። ምእንቲ ክኸስዎ ድማ፥ ካብ ኣፉ ዝኾነ ዘረባ ደልዮም ይፀናፀንዎ ነበሩ። ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ሕቡእ የለን። ስለዙይ እቲ ዅሉ ኣብ ፀልማት ዝተዛረብኩምዎ፥ ኣብ ብርሃን ክስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ፥ ኣብ እዝኒ ብሕሹኽሹኽ ዝተዛረብኩምዎ ድማ፥ ኣብ ናሕስታት ክስበኽ እዩ። “ንኣኻትኩም ነዕርኽተይ እብለኩም ኣለኹ፤ ስጋ ንዝቐትሉ፥ ብድሕሪኡ ኻብኡ ሓሊፎም፥ ሓደ እኳ ኽገብሩ ንዘይኽእሉ ኣይትፍርሑ። ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ። ሓሙሽተ ኣዕዋፍ፥ ብኽልተ ሳንቲምዶ ኣይኮናን ዝሽየጣ? ካብኣተን ሓንቲ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይትርሳዕን እያ። ንስኻትኩምስ፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኻትኩምውን ቍፁራት እየን። እምበኣርከስ፥ ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልፁ ኢኹም እሞ፥ ኣይትፍርሑ። እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝኽሕደኒ ግና፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ክኽሕዶ እየ። ኵሉ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዝኾነ ቓል ዝዛረብ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን “በታ ሰዓት እቲኣ፥ እንታይ ከም ትምልሱን፥ እንታይ ከም ትናገሩን፥ መንፈስ ቅዱስ ክገልፀልኩም እዩ እሞ።” ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ “መምህር፥ ንሓወይ ርስቲ ኽመቕለኒ ተዛረበለይ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸመኒ?” በሎ። ኣስዒቡውን “ህይወት ሰብ፥ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኵሉ ስስዐውን ተዓቀቡ” በሎም። ከምዙይ ኢሉውን ምስላ መሰለሎም፦ “ገራሁኡ ብዙሕ ዝፈረየሉ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፤ ‘እኽለይ ዝእክበሉ ማዕኸን የብለይን፤ እንታይ ደኣ ኽገብር?’ ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። ከምዙይ ድማ በለ፦ ‘እቲ ናይ ቅድም፥ ማዕኸነይ ኣፍሪሰ፥ ኣግፊሐ ኽሰርሖ እየ፤ ኣብኡ ድማ ዅሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብ እየ። ንነፍሰይ ከዓ፦ ኦ ነፍሰይ! ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል፥ ብዙሕ ዝተኣከበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ኣዕርፊ፤ ብልዒ፤ ስተዪ፤ ተሓጐሲ፤ ክብላ እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ። እቲ ንባዕሉ ሃብቲ ዝእክብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና ሃብታም ዘይኮነ፥ ከምኡ እዩ።” ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ ምግቢ፥ ህይወት ትዓቢ፤ ካብ ክዳንውን፥ ሰብነት እዩ ዝዓቢ፤ ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ፥ ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። እስኪ ናብ ኳዃት ተመልከቱ፤ እግዚኣብሄር ይቕልቦም እምበር ኣይዘርኡ፤ ኣይዓፅዱ፤ ማዕኸን ወይ ቆፎ የብሎምን፤ ካብ ኣዕዋፍስ ንስኻትኩምዶ ግዳ፥ እምብዛ ኣይትበልፁን! ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ቁመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን ኣሎ? እዝ ቀሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉ ደኣ፥ ንምንታይ ብኻልእ ነገር እትጭነቑ? ዕምበባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ኣስተብህሉ፤ ኣይፅዕሩ ኣይፈትሉ፤ ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ፥ ካብኣቶም ከም ሓደ ኣይተኸደነን። እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ ፅባሕ ግና፥ ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይኸድነኩም? ንስኻትኩም ከዓ ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይከ ኽንሰቲ ኢና?’ ኢልኩም ኣይትሸበሩን ኣይትጨነቑን። ነዝ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና፥ እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ። ንስኻትኩምስ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ። ጥሪትኩም ሼጥኩም ምፅዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ዘይበሊ ሙዳይን፥ ዘይጐድል ሃብትን፥ ኣብ ሰማይ ኣዋህልሉ። ሃብትኻትኩም ኣብ ዘለዎ፥ ልብኹም ኣብኡ ኣሎሞ። ንስኻትኩምውን፥ ከምቶም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝፅበይዎ እሞ፥ መፂኡ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ። እቶም ጐይታኦም ክምለስ እንተሎ፥ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ ማእዲ ኸም ዘቐምጦም፥ ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ ካልአይቲ ወይ ኣብ ሳልሰይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ መፂኡ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም። ግና እዙይ ፍለጡ፤ በዓል ቤት፥ ነታ ሰራቒ ዝመፀላ ጊዜ እንተ ዝፈልጣስ፥ ምነቕሐ፤ ገዛኡ ኽኰዓት እንተሎውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። ንስኻትኩምውን፥ ወዲ ሰብ፥ ብዘይሓሰብኩምዎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።” ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ? እቲ ጐይታኡ ኽምለስ እንተሎ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጥሪቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ኣገልጋሊ ብልቡ ‘ምምፃእ ጐይታይ ገና ኽድንጕ እዩ’ ኢሉ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣግራድን ክገርፍ፥ ክበልዕ፥ ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀመረ ግና፥ ጐይታ እቲ ኣገልጋሊ እቱይ፥ ንሱ ብዘይተፀበያ መዓልትን ብዘይፈለጣ ሰዓትን፥ መፂኡ ኽቐፅዖ፥ እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፥ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ኣገልጋሊ፥ ብዙሕ መቕፃዕቲ ኽቕፃዕ እዩ። እቲ እንተይፈለጠ ንመቕፃዕቲ ዘብፅሕ ግብሪ ዝገበረ ግና፥ መቕፃዕቱ ኽቐለሉ እዩ፤ ብዙሕ ንዝሃብዎ፥ ካብኡ ብዙሕ ይደልዩ፤ ብዙሕ ሓደራ ንዝሃብዎ ድማ፥ ካብኡ ኣብዚሖም ይፅበዩ። “ሓዊ ኸምፅእ እየ ናብ ምድሪ ዝመፃእኹ፤ ሕዝኸ ዝነደደ ኻብ ኮነ፥ እንታይ እደሊ? ግና ዝጥመቖ ጥምቀት ኣለኒ፤ ክሳዕ እትፍፀም ድማ ኸመይ ዘይጭነቕ? ናብ ምድሪ ሰላም ከምፅእ ዝመፃእኹዶ ይመስለኩም? እብለኩም ኣለኹ ኣይፋሉን፤ ምፍልላይ ደኣ እምበር። ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ሃለዉ፥ ሰለስተ ኣብ ልዕሊ ኽልተ፥ ክልተ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም። ኣቦ ኣብ ልዕሊ ወዱ፥ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ኣቦኡ፥ እኖ ኣብ ልዕሊ ጓላ፥ ጓልውን ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ ሓማት ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ወዳ፥ ሰበይቲ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ሓማታ፥ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም።” ንፋስ ደቡብ ክነፍስ ምስ ረአኹምውን፥ ሃሩር ክኸውን እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ድማ ይኸውን። ኣቱም ግብዛት፥ ምምርማር ገፅ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፤ ከመይ ደኣ ነዝ ዘመን እዙይ፥ መርሚርኩም ዘይትፈልጥዎ? “ስለ ምንታይከ ባዕልኻትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ? መባእስትኻ ናብ ቤት ፍርዲ እንተ ወሰደካ፥ ኣብ ፈራዲ ኸየብፅሐካ፥ እቲ ፈራዲ ኸዓ፥ ንወታደር ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ወታደርውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኻ፥ ምስ መባእስትኻ ንምትዕራቕ ፀዓር። እንተ ዘይኮነ፥ እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትዓዲ፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ እነግረካ ኣለኹ።” ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም፥ እዝ መከራ እዙይ ዝረኸቦምስ፥ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጢኣተኛታት ስለ ዝነበሩዶ ይመስለኩም? ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ። ወይ እቶም ኣብ ሰሊሆም መንደቕ ዝወደቖም እሞ፥ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰባት፥ ዝበዝሐ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም? ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩም ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም” በሎም። ነቲ ሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ‘እንሆ፥ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ ደልየ፥ ሰለስተ ዓመት ተመላሊሰ ኣይረኸብኩላን። እምበኣር ቍረፃ፤ ንምንታይከ መሬት እተፅርዕ?’ በሎ። ንሱ ግና፥ ‘ጐይታ! ወሰን ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፥ ድዅዒውን ኽሳዕ ዝድኵዓ፥ ነዛ ዓመት እዚኣ ሕደጋ። ንዓመታ እንተ ፈረየት ፅቡቕ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ ሽዑ ኽትቈርፃ ኢኻ’ ” ኢሉ መለሰሉ። እንሆ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርኹስ መንፈስ ዘድከማ ሰበይቲ ነበረት፤ ስለ ዝጐበጠትውን ፈፂማ ኽትቀንዕ ኣይትኽእልን ነበረት። ኢየሱስ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ኻብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ” በላ። ኢዱውን ኣንበረላ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቐንዐት፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት። እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም። ጐይታ ኸዓ፦ “ኣቱም ግብዛት፥ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይ ንኣድጉ፥ ብሰንበት ካብ መእሰሪኡ ፈቲሑ፥ ማይ ከስትዮዶ ኣይወስዶን ኢዩ? እንሆ እዛ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት፥ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፥ ካብዝ ማእሰርቲ እዙይ ብዕለተ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን?” ኢሉ መለሰሉ። እዙይ ምስ በለ፥ ኵሎም እቶም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ሓፈሩ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ በቲ ዅሉ ብኢየሱስ ዝተገብረ፥ ዘደንቕ ግብርታት ተሓጐሱ። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ትመስል? ብምንታይከ ኽምስላ እየ? ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ዓበየት፤ ዓባይ ኦምውን ኮነት፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ፥ ኣብ ጨናፍራ ሰፈረን ሰርሓ።” መሊሱ ድማ፥ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ እየ ዝምስላ? ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰቶ፥ ማይ ብሒቝ እያ እትመስል” በለ። ሓደ ሰብኣይ ከዓ፥ “ኦ ጐይታ! እቶም ዝድሕኑስ ውሑዳት ድዮም?” በሎ። ንሱ ድማ፥ “በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ። በዓል ገዛ ተሲኡ ማዕፆኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታ፥ ጐይታ፥ ክፈተልና’ እናበልኩምውን ማዕፆ ኽትኵሕዅሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ። ሽዑ ‘ምሳኻ በሊዕናን ሰቲናን፤ ንስኻውን ኣብ ኣደባባያትና ምሂርካ’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ፤ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኽብል እዩ። ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ንዅሎም ነቢያትን፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምስ ረአኹምዎም፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወፃኢ ተደርቢኹም ምስ ተረፍኩም፥ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኽመፁ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን፥ ኣብ ማእዲ ኽቕመጡ እዮም። እንሆ ድማ ቐዳሞት ዳሕረዎት፥ ዳሕረዎት ከዓ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም። በታ ጊዜ እቲኣ ገሊኣቶም ሰባት ካብ ፈሪሳውያን፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም፥ “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፥ ካብዙይ ወፂእኻ ኺድ” በልዎ። ንሱ ግና፥ “ኬድኩም ነዛ ውኻርያ ‘እንሆ፥ ሎምን ፅባሕን ኣጋንንቲ ኣውፅእ፤ ሕሙማት ኣሕዊ ኣለኹ፤ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽፍፅም እየ’ በልዋ፤ ሎምን ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ግና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ይግብአኒ እዩ፤ “ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም። እንሆ ገዛኹም ክዓኑ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ኣይትሪኡንን ኢኹም” በሎም። እንሆ፥ ከብዱ ዝተነፍሐ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን “ብሰንበት ምፍዋስስ ግቡእ ድዩ ወይ ኣይግቡእን?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ ኣፅቀጡ፤ ንሱ ግና ኣሕውዩ ሰደዶ። መሊሱ ድማ፦ “ካባኻትኩምከ ኣድጉ ነዝ ነገርዙይውን መልሲ ሰኣኑሉ። “ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ኣይትቀመጥ። ምናልባሽ ካባኻ ዝኸብር ካልእ ተዓዲሙ ኸይኸውን እሞ፥ እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝዓደመ መፂኡ፥ ‘እዛ ስፍራ እዚኣ ነዙይ ሕደገሉ’ ኸይብለካ፤ ሽዑ እናሓፈርካ ናብ ታሕተዋይ መቐመጢ ኸይትወርድ። ምስ ተዓደምካ፥ ኬድካ ኣብ ዝተሓተ መቐመጢ ተቐመጥ። ሽዑ እቲ ዝዓደመካ መፂኡ ‘ዓርከይ፥ ናብቲ ዝለዓለ መቐመጢ ደይብ’ ይብለካ፤ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ኵሎም ዕዱማት መቓምጥኻ፥ ክብሪ ክኾነካ እዩ። ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።” ምሳሕ እንተ ገበርካስ፥ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ፀውዕ። ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፤ ንብዙሓትውን ዓደመ። ጊዜ ድራር ምስ ኮነ ድማ፥ ነቶም ዕዱማት፥ ‘ኵሉ ተዳልዩ እዩ እሞ ንዑ’ ኽብሎም ሓሽከሩ ለኣኸ። ኵሎም ከዓ ሓቢሮም ከመኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፥ ‘ግራት ዓዲገ ኣለኹ እሞ፥ ናብኣ ወፊረ ኽሪኣ ግድን ስለ ዘድለየኒ፥ ይቕረታ ኽትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ። እቲ ኻልኣይ ድማ ‘ሓሙሽተ ፅምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣለኹ፤ ክፍትኖም ክኸይድ እየ እሞ፥ በይዛኻ ይቕረታ ክትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ። እቲ ሳልሳይ ከዓ ‘ሰበይቲ ኣእትየ ኣለኹ እሞ፥ ክመፅእ ኣይክእልን እየ’ በሎ። እቲ ሓሽከር ተመሊሱ፥ ነዝ ነገራትዙይ ንጐይታኡ ነገሮ፤ ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ተቘጢዑ ነቲ ሓሽከሩ ‘ናብ ኣደባባይን ናብቲ መተሓላለፊ ኸተማታትን ቀልጢፍካ ኺድ፤ ድኻታትን ቈራያትን ዕውራትን ሓንካሳትን፥ ናብዙይ ኣምፅእ’ በሎ። እቲ ሓሽከር ከዓ ‘ጐይታይ፥ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ ኣለኹ፤ ይኹን እምበር ገና ቦታ ኣሎ’ በሎ። እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ሓሽከሩ ኸምዙይ በሎ፦ ‘ናብ መንገድታትን ፀግዒ ቕፅርታትን ኪድ እሞ፥ ገዛይ ምእንቲ ኽመልእ፥ ግድን ከም ዝመፁ ግበሮም። ካብቶም ዝተዓደሙ ሰባት፥ ሓደኳ ንድራረይ ኣይጥዕሞን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።’ ” ብዙሓት ሰባት ምስኡ ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ምልስ ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦ “ናባይ ክመፅእ ዝደሊ ኣቦኡን እኖኡን ሰበይቱን መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ። ካባኻትኩምከ፥ ሓደ ኣዳራሽ ክሰርሕ ዝደሊ እሞ፥ ንምውድኡ ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተ ሃልይዎ፥ ኣቐዲሙ ዘይፅብፅብ መን እዩ? እንተ ዘይኮነ መሰረት ምስ ሰረተ፥ ምውዳእ እንተ ሰኣነ፥ ኵሎም ዝረአይዎ ‘እዝ ሰብ እዙይ ህንፃ ጀሚሩስ፥ ክፍፅም ኣይከኣለን’ እናበሉ ኽሕጭጩሉ ይጅምሩ። ወይ ምስ ካልእ ንጉስ ክዋጋእ ክኸይድ ዝደሊ እሞ፥ ነቲ ብዕስራ ሽሕ ዝመፆ፥ ብዓሰርተ ሽሕ ክዋግኦ ዝኽእል እንተ ኾይኑ፥ ተቐሚጡ ኣቐዲሙ ዘይመክር ኣየናይ ንጉስ እዩ? እንተ ዘይኮነ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ፥ ልኡኻት ናብኡ ሰዲዱ ዕርቂ ይጥይቕ። ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም፥ ዘለዎ ዅሉ ዘይሓደገ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ። ጨው ፅቡቕ እዩ፤ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጠፍአኸ፥ ብምንታይ የመቅርዎ? ንመሬት ኾነ ንድዅዒ ስለ ዘይጠቅም፥ ናብ ደገ ይድርብይዎ፤” ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ! ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ድማ “እዙይስ ንሓጥኣን ይቕበል፤ ምስኣቶምውን ይበልዕ” እናበሉ ኣጕረምረሙ። ሽዑ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ “ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ? ምስ ረኸባ ድማ፥ ተሓጒሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ። ናብ ገዛኡ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ነዕርኽቱን ንጐረባብቱን ብሓባር ፀዊዑ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም። ከምኡ ኸዓ ንስሃ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ፃድቃን፥ ብዝንሳሕ ሓደ ሓጥእ፥ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ክኸውን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ። “ከምኡውን ዓሰርተ ቐለበት ብሩር ዘለዋሞ፥ ሓንቲ ቐለበት ብሩር እንተ ጠፍአታ፥ መብራህቲ ኣብሪሃ ገዛኣ ዘይትዅስትር፥ ክሳዕ እትረኽባ ድማ፥ ብጥንቃቐ ዘይትደሊ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ? ምስ ረኸበታ ድማ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ ብሩረይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሳ’ እናበለት ንመሓዙታን ንጐረባብታን ትፅውዕ። ከምኡ ኸዓ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።” ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽተይ ነቦኡ ‘ኣቦይ፥ ካብ ገንዘብካ እቲ ዝብፅሐኒ ግደይ ሃበኒ’ በሎ፤ ንሱ ኸዓ፥ ነቲ ገንዘቡ መቒሉ ሃቦ። ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ፥ ኵሉ ገንዘቡ ኣኪቡ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ፥ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ። ኵሉ ገንዘቡ ምስ ወድአ፥ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፤ ንሱውን ተፀገመ። ከይዱውን ካብቶም ደቂ እታ ሃገር፥ ኣብ ሓደ ተቘፀረ፤ ንሱ ድማ ሓሰማታት ክጓሲ ናብ ወፍሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ዝነበራ ቛርፍ ክበልዕ ድማ፥ ሃረር ይብል ነበረ፤ እንተ ኾነ ሓደኳ ዝህቦ ኣይረኸበን። ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘እንጀራ ዝተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም፤ ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ።’ ተሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፦ ኣቦይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ። ‘ደጊም ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን እዩ፤ ካብቶም ሓሻኽርካ ኸም ሓደ ቝፀረኒ ኽብሎ እየ’ በለ። ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ ረአዮ እሞ ራህርሀሉ፤ ጐይዩ ድማ ኽሳዱ ሓቝፉ ሰዓሞ። እቲ ወዱ ድማ፥ ‘ኣቦይ! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ፤ ደጊምስ ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን’ በሎ። ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ፥ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ፤ ስቡሕ ዝራብዕ ኣምፂእኹም ሕረዱሞ፥ ንብላዕ፤ ንተሓጐስ፤ እዝ ወደይ ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ’ በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ። “እቲ ዓብዪ ወዱ ግና፥ ኣብ ወፍሪ ነበረሞ፥ መፂኡ ኣብ ጥቓ ገዛ ምስ ቀረበ፥ ሙዚቃን ጐይላን ሰምዐ። ካብቶም ሓሻኽር ኣቦኡ ንሓደ ፀዊዑ ‘እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?’ ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ፥ ‘እቲ ሓውካ ስለ ዝመፀ እሞ፥ ኣቦኻ ብዳሕንኡ ስለ ዝረኸቦ፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪዱሉ’ በሎ። ንሱ ግና ዀርዩ ምእታው ኣበየ፤ ኣቦኡ ኸዓ ወፂኡ ለመኖ። ንሱ ግና ነቦኡ፦ ‘እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓመታት ኣገልጊለካ፤ ካብ ትእዛዝካውን ፈፂመ ኣይሓለፍኩን፤ እንተ ኾነ ንኣይ ምስ ኣዕርኽተይ ዝሕጐሰሉ፥ ሓደ ማሕሲእ እኳ ኣይሃብካንን። እዝ ምስ ኣመንዝራታት ገንዘብካ ዝበተነ ኣቦኡ ኸዓ፥ ‘ወደይ፥ ንስኻስ ኵልሻዕ ምሳይ ኣለኻ፤ ናተይ ዝኾነ ዅሉ ድማ፥ ናትካ እዩ። እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።” ኢየሱስ መሊሱ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መጋቢ ዝነበሮ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ ኸዓ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፤ እናበሉ ነገርዎ። እቲ ጐይታኡ ድማ ፀዊዑ ‘እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ደጊም መጋቢ ኽትኮነኒ፥ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፥ ፀብፃብ መጋብነትካ ሃበኒ’ በሎ። እቲ መጋቢ ድማ ብልቡ፥ ‘ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ክስዕረኒ እዩ፤ ከይባሩ፥ ኣይክእልን፤ ከይልምን ድማ፥ ኣሓፍር፤ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ? ካብ መጋብነተይ ምስተስዓርኩ፥ ኣብ ገዛውቶም ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ዝገብሮ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ’ በለ። ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ በብሓደ ፀዊዑ፥ ነቲ ቐዳማይ ‘ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣለካ?’ በሎ። ንሱ ኸዓ ‘ሚእቲ ዕትሮ ዘይቲ’ በሎ። ሽዑ ንሱ ‘እንካ ፅሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፤ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ፥ ሓምሳ ኢልካ ፀሓፍ’ በሎ። ነቲ ኻልኣይ ድማ ‘ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ?’ በሎ፤ ንሱውን ‘ሚእቲ ፅዕነት ስርናይ’ በሎ። ሽዑ ንሱ ‘እንካ ፅሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ፥ ሰማንያ ኢልካ ፀሓፍ’ በሎ። ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ፥ ብጥበብ ስለ ዝገበረ፥ ጐይታኡ ነኣዶ፤ ብውሑድ እሙን ዝኾነ፥ ብብዙሕውን እሙን እዩ፤ እቲ ብውሑድ ዝዕምፅ ድማ፥ ብብዙሕውን ዓማፂ እዩ። እምበኣርከስ ብገንዘብ ዓመፃ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኴንኩም፥ በቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ፥ መን ይኣምነኩም? ብናይ እማትኩም ሃብቲ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኮንኩምከ፥ ናይ ባዕልኻትኩም ዝኾነ መን ይህበኩም? እቶም ፈሪሳውያን ድማ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም ነዝ ዅሉ ሰሚዖም ሓጨጩሉ። ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ንርእስኹም ተመፃድቑ ኣለኹም፤ ንልብኹም ግና እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክቡር ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ እሞ።” ካብ ሕጊ ሓንቲ ሕንፃፅ ካብ እትወድቕስ፥ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል። እቲ ንሰበይቱ ፈቲሑ፥ ካልአይቲ ዘእቱ ዅሉ ይዝሙ፤ እቲ ኻብ ሰብኣያ ንዝተፈትሐት ሰበይቲ ዘእቱውን ይዝሙ።” ቀይሕ ክዳንን ፃዕዳ ሃርን ዝኽደን፥ ኵሉ መዓልቲ እውን እናጋየፀ ዝሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኵሉ ሰብነቱ ብቝስሊ ዝተወረረ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሃብታም ተደርቢዩ ዝነብር፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሓደ ድኻ ሰብኣይውን ነበረ። ካብቲ ማእዲ እቲ ሃብታም ዝወድቕ ርፍራፍ ክፀግብ ድማ፥ ሃረር ይብል ነበረ፤ ኣኽላባት እናመፁ ድማ ቝስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ብድሕሪዙይ እቲ ድኻ ሞተ፤ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታምውን ሞተ፤ ተቐበረውን። ኣብ ሲኦል፥ ኣብ ስቓይ ኮይኑ፥ ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ፥ ካብ ርሑቕ ንኣብርሃም ረአዮ፤ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ። ፀዊዑ ኸዓ “ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፥ በዝ ነበልባል እዙይ፥ እሳቐ ኣለኹ እሞ ራህርሀለይ፤ ጫፍ ኣፃብዕቱ ኣብ ማይ ጠሚዑ፥ መልሓሰይ ከዝሕለለይውን፥ ንኣልኣዛር ስደደለይ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ ብህይወትካ እንተለኻ፥ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ። ምስ እዝ ዅሉ ድማ፥ ካብዙይ ናባኻትኩም ከይሓልፉ፥ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፥ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን፥ ዓብዪ ፀድፊ ኣሎ” በሎ። ንሱ ድማ “ኦ ኣቦይ፥ እምበኣርከስ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፥ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመፁ ኸጠንቅቖም፥ ንኣልኣዛር ናብ እንዳ ኣቦይ ክትሰዶ፥ እልምነካ ኣለኹ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ኣለዉዎም፤ ንኣኣቶም ይስምዑ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ ኣቦይ ኣብርሃም፥ ካብ ምዉታን ተሲኡ፥ ሓደ ናብኣቶም ከይዱ እንተ ነጊርዎም ክንስሁ እዮም” በሎ። ንሱ ድማ “ንሙሴን ንነቢያትን ዘይሰምዑ እንተ ኾይኖም፥ ካብ ምዉታን ሓደ እንተ ተስአውን፥ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም” በሎ። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መዐንቀፊ ግድን እንተይመፀ ኣይተርፍን እዩ፤ ነቲ ብሰንኩ መዐንቀፊ ዝመፅእ ግና ወይለኡ! ኻብዞም ኣናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘስሕትስ፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ናብ ባሕሪ ኽድርበ ምሐሾ። ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ሓውካ እንተ በደለካ ገስፆ፤ እንተ ተናስሐ ሕደገሉ፤ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ እንተ በደለካ፥ ተናሲሐ እናበለውን፥ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ ናባኻ እንተ ተመለሰ፥ ይቕረ በለሉ።” ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፦ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ እትህልወኩምስ፥ ነዝ ሳግላዙይ ካብ ሱርካ ተበቊስካ፥ ኣብ ባሕሪ ተተኸል እንተ እትብልዎ ምተኣዘዘኩም ነይሩ” በሎም። “ካባኻትኩምከ ዝሓርስ ወይ ዝጓሲ ሓሽከር ዘለዎ እሞ፥ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ሽዑ ንሽዑ ‘ክትድረር ተቐመጥ’ ዝብሎ መን እዩ? ‘ድራር ኣዳልወለይ፤ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከዓ፥ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፤ ድሕሪኡ ንስኻውን ብላዕ፥ ስተ እንዶ ኣይኮነን’ ዝብሎ? ወይ ከዓ እቲ ሓሽከር እቱይ፥ ዝተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ የመስግኖዶ ይመስለኩም? ከምኡ ድማ፥ ንስኻትኩም ኵሉ ዝተኣዘዝኩምዎ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና፤ እቲ ኽንገብሮ ዝግብአና ኢና ዝገበርና በሉ’ በሎም።” ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ብማእኸል ሰማርያን ገሊላን ሓለፈ። ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኽኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ርሒቖም ደው ዝበሉ፥ ዓሰርተ ለምፃማት ተራኸብዎ። ድምፆም ዓው ኣቢሎምውን “ኦ ኢየሱስ፥ ኦ መምህር፥ ራህርሀልና!” በልዎ። ንሱ ኸዓ ምስ ረአዮም፥ “ኪዱ፥ ንባዕልትኹም ንኻህን ኣርእዩ” በሎም። ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ ነፅሁ። ካብኣቶም ሓደ ኸም ዝሓወየ ምስ ረአየ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተመለሰ። እናመስገኖ ኸዓ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ብግምባሩ ተደፍአ። ንሱ ድማ ሳምራዊ ነበረ። ኢየሱስ ከዓ፦ “ዝነፅሁ ዓሰርተዶ ኣይነበሩን? እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? እንትርፊ እዝ ኻልእ ዝዓሌቱ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ኽህብ ዝተመለሰዶ የለን?” በለ። ብድሕሪዙይ “ተስእ እሞ ኺድ፤ እምነትካ ኣሕውያትካ ኣላ” በሎ። ‘እንሆ፥ ክርስቶስ ኣብዙይ ኣሎ’ ‘ወይ ኣብቱይ ኣሎ’ እንተ በሉኹም ኣይትኺዱ፤ ኣይትከተልዎምውን። መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ፥ ከም ዝበርቕን ከም ዘብርህን፥ ወዲ ሰብ ዝመፀሉ መዓልቲ እውን ከምኡ ክኸውን እዩ። ኣቐዲሙ ግና ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ በዝ ትውልዲ እዙይውን ክነዓቕ ግድን እዩ። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ሰባት ይበልዑን ይሰትዩን፥ የውስቡን ይዋሰቡን ነበሩ፤ ማይ ኣይሂ መፂኡ ድማ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም። ብዘመን ሎጥ ድማ ልክዕ ከምኡ፥ ይበልዑን ይሰትዩን፥ ይሸጡን ይዕድጉን፥ ይተኽሉን ይሃንፁን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወፀላ መዓልቲ ድማ፥ ካብ ሰማይ ሓዊን ዲንን ዘኒሙ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም። በታ ወዲ ሰብ ዝግለፀላ መዓልቲ ድማ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ ናሕሲ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ገዛኡ ዘሎ ኣቕሓ ኽወስድ ኢሉ ኣይውረድ። እቲ ኣብ ግራት ዘሎውን፥ ንድሕሪት ኣይመለስ። ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ዘጥፍኣ ድማ፥ ከድሕና እዩ። በታ ለይቲ እቲኣ፥ ክልተ ሰባት ኣብ ሓንቲ ዓራት ክድቅሱ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ሓደ ድማ ኽሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ብሓባር ክጥሕና እየን፤ ክልተ ሰባት ኣብ ሓደ ግራት ክሰርሑ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ኻልኣይ ክሕደግ እዩ እብለኩም ኣለኹ።” መሊሶም “ኦ ጐይታ፥ ኣበይከ እዩ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ ኽእከቡ እዮም” በሎም። “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሕ፥ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር፥ ሓደ ፈራዲ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ፥ ሓንቲ መበለት ነበረት፤ ናብኡ እናመፀት ከዓ፥ ‘ምስ ተፃራርየይ ፍረደለይ’ ትብሎ ነበረት። ንሱ ድማ ብዙሕ መዓልቲ ኣበያ። ብድሕሪኡ ግና ብልቡ ‘ንእግዚኣብሄር እኳ እንተ ዘይፈራሕኹ፥ ንሰብውን እንተ ዘይሓፈርኩ፥ እዛ መበለት እዚኣ ኣሸጊራትኒ እያ እሞ፥ መመሊሳ እናመፀት ከይተትክረኒ፥ ክፈርደላ ደኣ’ በለ።” ጐይታ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “እዝ ዓመፀኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ። እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም? ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ። እንተ ኾነ፥ ወዲ ሰብ ምስ መፀስ፥ ኣብ ምድሪ እምነትዶ ኽረክብ ይኸውን?” “ክልተ ሰባት፥ ክፅልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ተቐባሊ ቀረፅ ነበሩ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቶም ካልኦት፥ ከተርቲ፥ ዓመፅቲ፥ ዘመውቲ ሰባት፥ ወይ ከምዝ ተቐባሊ ቀረፅ እዙይ ስለ ዘይኮንኩ፥ አመስግነካ ኣለኹ። ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እፀውም፤ ካብ ኵሉ ዘጥረኹዎውን ኣስራት ኣውፅእ’ እናበለ ፀለየ። እቲ ተቐባሊ ቀረፅ ግና፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቈላሕ ከብል እኳ እንተይደፈረ፥ ‘ኦ ኣምላኽ፥ ንኣይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ’ እናበለ፥ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ። ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ፥ ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ፤ ኵሉ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል፥ ክዋረድ፥ ኵሉ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ።” ኢየሱስ ንህፃናት ኢዱ ኸንብረሎም፥ ናብኡ ኣምፅእዎም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ፥ እዙይ ሪኦም ነቶም ሰባት ገሰፅዎም። ኢየሱስ ግና ፀዊዑ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ህፃናት ናባይ ክመፁ ኣይትኸልክልዎም። ንመንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ከም ህፃን ኮይኑ ዘይቕበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ኢየሱስ ከዓ፥ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር፥ ሕያዋይ የለን። ነተን ‘ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር’ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ነዙይ ኵሉስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ እየ” በለ። ኢየሱስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ “እምበኣር ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ዘለካ ዅሉ ሼጥኻ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ የመና ሃብታም ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ሓዘነ። ኢየሱስ ብዙሕ ምሕዛኑ ሪኡ፥ “ሃብቲ ንዘለዎም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። ሃብታም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” በለ። እቶም ዝሰምዑ ድማ “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል?” በሉ። ንሱ ኸዓ “እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፥ ንእግዚኣብሄር ይከኣሎ እዩ” በሎም። ሽዑ ጴጥሮስ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና፥ ተኸቲልናካ ኣለና” ንሱ ኸዓ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኢሉ፥ ቤት ኮነ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ወለዲ፥ ወይ ውሉድ ዝሓደገ፥ ኣብዝ ዓለም እዙይ ብዙሕ ካዕበት፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም ከዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የለን” በሎም። ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ናብኡ ወሲዱ “እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ፥ ብነቢያት ዝተፅሓፈ ኽፍፀም እዩ። ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ከላግፁሉ፥ ክፀርፍዎ፥ እንትፍውን ክብሉሉ፥ ገሪፎም ድማ ኽቐትልዎ እዮም። ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ እዩ” በሎም። ንሳቶም ግና፥ ካብዝ ነገር እዙይ ሓደኳ ኣየስተውዓሉን፤ እዝ ዘረባዙይ ተሰዊርዎም ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ዝተዛረቦ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ። ናብ ኢያሪኮ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ሓደ ዕውር ሰብኣይ፥ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። ህዝቢ ብእኡ ኽሓልፍ እንተሎ ድምፂ ሰሚዑ፥ “እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ። ንሳቶም ከዓ “እቲ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ይሓልፍ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ንሱ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ። እቶም ቅድሚት ይኸዱ ዝነበሩ፥ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ብዝበለፀ ዓው ኢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ። ኢየሱስ ከዓ ደው ኢሉ፥ ናብኡ ኸምፅእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ ኢየሱስ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ዕዉር ከዓ “ጐይታ! ኣዒንተይ ክሪኣ” በለ። ኢየሱስ ድማ “ረአ፥ እምነትካ እያ ኣሕውያትካ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተኸተሎ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ኢየሱስ ኣብ ኢያሪኮ ኣትዩ ብኣኣ ይሓልፍ ነበረ። እንሆ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረፅ ዝኾነ፥ ዘኬዎስ ዝስሙ ሃብታም ሰብኣይ፥ ኢየሱስ ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ፥ ክሪኦ ይደሊ ነበረ። ቁመቱ ሓፂር ስለ ዝነበረ ግና፥ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ ዝተልዓለ፥ ክሪኦ ኣይከኣለን። በታ መንገዲ እቲኣ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ክሪኦ ንቕድሚት ጐይዩ፥ ናብ ሳግላ ደየበ። ኢየሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ቅንዕ ኢሉ ጠሚቱ፥ “ዘኬዎስ፥ ሎሚ ኣብ ገዛኻ ኽውዕል እየሞ፥ ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ። ቐልጢፉ ወረደ፤ እናተሓጐሰውን ተቐበሎ። እዙይ ምስ ረአዩ ድማ “ኣብ እንዳ ሓጢኣተኛ ሰብ ክውዕል ኣትዩ” ኢሎም፥ ኵላቶም ኣጕረምረሙ። ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ነዝ ገዛ እዙይ፥ ድሕነት ኮነሉ፤ ንሱውን ወዲ ኣብርሃም እዩሞ። ወዲ ሰብ ዝመፀ፥ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ እሞ” በሎ። ከምዙይ ድማ በለ፦ “ሓደ ኽቡር ሰብ፥ መንግስቲ ተቐቢሉ ኽምለስ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ንዓሰርተ ኣገልገልቱ ፀዊዑ ኸዓ ‘ክሳዕ ዝመፅእ በዙይ ንገዱ’ ኢሉ፥ ዓሰርተ ምናን ደቂ ዓዱ ግና ፀልእዎ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ክንደይ ዝኣክል ነጊዶም ከም ዘትረፉ ኽፈልጥ ደልዩ፥ ነቶም ምናን ዝሃቦም ክፅውዑሉ ኣዘዘ። እቲ ቐዳማይ መፂኡ ‘ኦ ጐይታ፥ እታ ምናንካ፥ ካልእ ዓሰርተ ትርፊ ረኺበላ’ በሎ። ንሱ ኸዓ ‘ኣታ ሕያዋይ ኣገልጋሊ፥ ፅቡቕ ገበርካ፤ ብውሑድ እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ዓሰርተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ። “እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ‘ኦ ጐይታ፥ እታ ምናንካ፥ ካልእ ሓሙሽተ ትርፊ ረኺበላ’ እናበለ ቐረበ። ነዙይ ድማ ‘ንኣኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ። እቲ ሳልሳይ ድማ ‘ኦ ጐይታ፥ ዘየንበርካዮ እተልዕል፥ ዘይዘራእኻዮ እትዓፅድ ጨካን ሰብ ምዃንካ ስለ ዝፈልጥ፥ ፈሪሐ፥ እዛ ኣብ ቍራፅ ዓለባ ቛፂረ ዘፅናሕክዋ ምናን እኒሃትልካ’ እናበለ ቐረበ። ንሱ ድማ ‘ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ፥ ከም ቃልካ ኽፈርደካ እየ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእኽዎ ዝዓፅድ፥ ጨካን ሰብ ምዃነይ እናፈለጥካ ደኣ ስለ ምንታይ ነቲ ገንዘበይ፥ ኣብ ባንኪ ዘየእተኻዮ? ኣነ መፂአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ’ በሎ። ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከዓ ‘እታ ምናን ኣሕድግዎ እሞ፥ ነቲ ዓሰርተ ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም። ንሳቶም ከዓ፥ ‘ኦ ጐይታ፥ ንሱስ ዓሰርተ ምናን ኣለዎ’ በልዎ። ንሱ ድማ ‘ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እኳ ኸሕድግዎ እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ። ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ። ጥቓ ደብረ ዘይት ዝበሃል እምባ ናብ ዝርከባ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረበ፥ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥ ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ገልገል ዝኾነ ሰብ፥ ‘ስለ ምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኩም ከዓ፥ ‘ጐይታ ይደልዮ ኣሎ’ በልዎ።” እቶም ዝተልኣኹ ኸይዶም ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ። ንሳቶም ነቲ ገልገል ኣድጊ ኽፈትሕዎ እንተለዉ፥ ዋናታቱ “ነዝ ገልገል ኣድጊ ስለ ምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?” በልዎም። ንሳቶም ድማ “ጐይታ ይደልዮ ኣሎ” በልዎም። ናብ ኢየሱስውን ኣምፅእዎ። ልዕሊ እቲ ገልገል ኣድጊ፥ ክዳውንቶም ምስ ጐዝጐዙሉ ኸዓ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ኣቐመጥዎ። ንሱ ክኸይድ እንተሎ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ። ናብ ቝልቍል ደብረ ዘይት ምስ ቀረበ፥ ኵሎም እቶም ንኢየሱስ ዝኽተልዎ ዝነበሩ፥ በቲ ዅሉ ዝረአይዎ ሓይልታት ክሕጐሱን፥ ንእግዚኣብሄር ብዓብዪ ድምፂ ኸመስግንዎን ጀመሩ። “እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ንጉስ ቡሩኽ እዩ። ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ግና “መምህር፥ ንደቀ መዛሙርትኻ ገስፆም” በልዎ። ንሱ ድማ “እዚኣቶም ስቕ እንተ በሉ እኳ፥ እዞም ኣእማን ዓው ኢሎም ድምፂ ኸስምዑ እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም። “ኣየ ንስኺ! በዝ መዓልቲ እዙይ ንሰላምኪ ዝኸውን ፈሊጥክዮ እንተ እትኾኒ! ፀላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ሓፁር ሓፂሮም፥ ከቢቦም በዙይን በቱይን፥ ንኣኺ ዘጨንቑሉ መዓልቲ ኽመፅእ እዩ። ዘመን ድሕነትኪ ሰኣን ምፍላጥኪ፥ ንኣኽን ኣባኺ ንዝነብሩ ደቅኽን፥ ምስ ሓመድ ክሓዋውሱኺ እዮም፤ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይሓድጉልክን እዮም።” ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ፥ “ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ክበሃል እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርኩምዎ” እናበለ ኸውፅኦም ጀመረ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና፥ ብተመስጦ ይሰምዖ ስለ ዝነበረ፥ ዝገብርዎ ሰኣኑ። “በየናይ ስልጣን ኢኻ፥ እዙይ እትገብር ዘለኻ? እዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ፦ “ኣነውን ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም ንገሩኒ። ጥምቀት ዮሃንስ፥ ካብ ሰማይ ዲዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ ‘ካብ ሰማይ’ እንተ በልናዮ ‘ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ። ‘ካብ ሰብ’ እንተ በልናዮ፥ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነቢይ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፥ ብእምኒ ኽቕጥቅጠና እዩ” ኢሎም ብልቦም ሓሰቡ። ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡውን መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ኣነውን በየናይ ስልጣን እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም። ኢየሱስ፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ምስላ እዙይ ክነግሮም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂቡ፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ፤ ንነዊሕ ጊዜውን ፀንሐ። ኣብ ጊዜ ፍርያት ድማ፥ ካብቲ ፍረ ወይኒ ኽልእኹሉ፥ ሓሽከሩ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ግና፥ ቀጥቂጦም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ። ከምኡውን ካልእ ሓሽከሩ ለኣኸ፤ ንእኡውን ወቒዖም፥ ኣዋሪዶም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ። መሊሱ ኸዓ ሳልሳይ ሓሽከር ለኣኸ፤ ንእኡውን ኣቝሲሎም ንወፃኢ ኣባረርዎ። ሽዑ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ‘እንታይ ደኣ ኽገብር እየ? ነዝ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽልእኽ፤ ንእኡስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ እቶም ሓረስቶት ግና ምስ ረአይዎ ንስንሳቶም፥ ‘እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ርስቱ ምእንቲ ኽንወርስ፥ ንዑ ንቕተሎ’ ተበሃሃሉ። ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ንደገ ኣውፂኦም ድማ ቐተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ እንታይ ኮን ክገብሮም እዩ? መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ። ንሱ ግና ናብኣቶም እናጠመተ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ’ ዝብል ፅሑፍ፥ እንታይ ማለት ድዩ? ኵሉ ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ኽስበር፥ እቲ እምኒ እቱይ ኣብ ልዕሊኡ ዝወደቖ ድማ፥ ክጭፍለቕ እዩ” በሎም። ተፀናፂኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ፥ ናብቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን ንፍርዲ ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝፀናፀኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ። እቶም ሰለልቲ ኸዓ፥ “መምህር፥ ብቕኑዕ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከም እትምህር ደኣ እምበር፥ ንዝኾነ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉን፥ ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና። ንቄሳር ግብሪ ኽንከፍል ግቡእ ድዩ ወይ ኣይኮነን?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ፥ “ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እስኪ እቲ ዲናር ኣርእዩኒ፤ ምስሉን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር” በልዎ። ንሱ ድማ “እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ፥ ብዘረባኡ ኣጋግዮም ክሕዝዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ በቲ መልሱ ተገሪሞም ስቕ በሉ። ካብቶም ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ገሊኣቶም ናብኡ መፂኦም፥ “ኦ መምህር ‘ሰበይቲ ዘላቶ ሓደ ሰብ፥ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ሙሴ ፅሒፉልና ኣሎ። እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነይሮም፤ እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእቲዩ እንተይወለደ ሞተ። እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፥ ንሱውን እንተይወለደ ሞተ። እቲ ሳልሳይ ድማ ኣእተዋ፥ ከምኡውን ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፥ ውሉድ እንተይሓደጉ ሞቱ። ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት። እምበኣርከስ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ እታ ሰበይቲ እቲኣ፥ ብትንሳኤ ሙታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም ክትከውን እያ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ ከዓ “ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ የውስቡን ይዋሰቡን እዮም። እቶም ነታ ዓለም እቲኣን፥ ንትንሳኤ ሙታን ንምውራስን ዝበቕዑ ግና፥ ኣየውስቡን ኣይዋሰቡን እዮም። ከም መላእኽቲ ክኾኑ እዮምሞ፥ ድሕሪኡ ኣይሞቱን፤ ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝኾኑ ድማ፥ ደቂ እግዚኣብሄር እዮም። ምውታን ከም ዝትስኡ ግና፥ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቈጥቋጥ፥ ንእግዚኣብሄር ‘ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ’ ብምባሉ ኣፍለጠ። እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ህያዋን እምበር፥ ኣምላኽ ሙታን ኣይኮነን፤ ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ” በሎም። ገሊኣቶም መምህራን ሕጊ ድማ “መምህር ፅቡቕ ተዛሪብካ” ኢሎም መለሱሉ። ካብኡ ንደሓር ግና፥ ሓንቲ እኳ ኽጥይቕዎ ኣይደፈሩን። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ከመይ እዩ ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ? ዳዊት ባዕሉ፥ ኣብ መፅሓፍ መዝሙር ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ’ ይብል። እምበኣር ባዕሉ ዳዊት ‘ጐይታይ’ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኾኖ?” ኢየሱስ ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ እንተሎ ንደቀ መዛሙርቱ፦ “ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ክዞሩ ኻብ ዝደልዩ፥ ኣብ ዕዳጋ ሰብ ኢድ ክነስአሎም፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣውራ መቐመጢ፥ ኣብ ምሳሕውን ዝለዓለ ስፍራ ዝፈትዉ፥ ኣብያተ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ንምኽንያትውን ፀሎት ካብ ዘንውሑ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ብርቱዕ ቅፅዓት ክረኽቡ እዮም” በሎም። ኢየሱስ ቅንዕ ኢሉ፦ እቶም ሃብታማት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት፥ መባእ እንተእትዉ ረአየ። ሓንቲ ድኻ መበለትውን፥ ኣብኡ ኽልተ ሳንቲም ክተእቱ እንተላ ረአየ። “እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፥ ካብ ኵላቶም ኣብዚሓ ኸም ዝሃበት፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እዚኣቶም ኵላቶምስ፥ ካብ ተረፎም እዮም መባእ ዝሃቡ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ ኵላ እታ ዘለታ እያ ዝሃበት” በለ። ካብ ደቀ መዛሙርቱ ገሊኣቶም፥ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፥ ብፅቡቕ ኣእማንን፥ ንመባእ ብዝተውሃበ ሽልማትን፥ ኣጊፁ ኸም ዘሎ ኽዛረቡ እንተለዉ፥ ኢየሱስ፥ “እዝ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልቲታት ክመፃ እየን” በለ። ንሳቶም ከዓ፥ “ኦ መምህር! እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዙይ ዝኾነሉ ጊዜኸ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ! ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ፤ እቲ ዘመን ከዓ ቐሪቡ እዩ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም እሞ ኣይትከተልዎም። ብዛዕባ ውግእን ህውከትን እንተ ሰማዕኹምውን፥ ኣይትደንግፁ፤ ኣቐዲሙ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ እሞ፥ እንተ ኾነ፥ እቲ ፍፃሜ ሽዑ ንሽዑ ኣይኸውንን እዩ።” ኣስዒቡውን ኸምዙይ በሎም፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰማይውን ዘርዕድን፥ ዓብዪ ምልክትን ክኸውን እዩ። ቅድሚ እዝ ዅሉ ግና፥ ክሕዙኹምን ከሳጕጉኹምን እዮም። ምእንቲ ስመይ ከዓ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን፥ እዙይ ንምስክርነት ክኾነልኩም እዩ። እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ፥ ኣቐዲምኩም ክትሓስቡ ኸም ዘይብልኩም፥ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ። እቶም ኣብ ልዕሌኹም ዝለዓሉ፥ ምምላስን ምቅዋምን ዘይኽእልዎ ኣንደበትን ጥበብን፥ ኣነ ኽህበኩም እየ። ወለድኹም፥ ኣሕዋትኩም፥ ኣዝማድኩም፥ ኣዕርኽትኹም፥ እንተይተረፉ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ክቐትሉ እዮም። ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም። ግና ኻብ ርእስኹም፥ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይትጠፍእን እያ። ንነፍስኹም ከዓ፥ ብትዕግስትኹም ክተጥርይዋ ኢኹም። “ኢየሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኢኹም፥ ሽዑ ዕንወታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ፥ ናብ እምባ ይህደሙ፤ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉውን፥ ካብኣ ይውፅኡ፤ እቶም ኣብ ዙርያኣ ዘለዉ ድማ፥ ናብኣ ኣይእተዉ። እዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀምስ፥ እዋን ምፍዳይ ሕነ እዩ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን ግና፥ ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን! ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ፥ መዓት ክወርድ እዩ እሞ። ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ። “ኣብ ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ምልክት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ እውን፥ ብድምፂ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ክጭነቑን ክህወኹን እዮም። በቲ ጊዜ እቱይ ሓይላት ሰማያት ክናወፁ እዮም፤ ኣብ ዓለም ክመፅእ ዘለዎ ብምፅባይን ብፍርሓትን ድማ፥ ሰባት ልቦም ክጠልሞም እዩ። ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም። እዙይ ክኸውን ምስ ጀመረ፥ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ንላዕሊ ተመልከቱ።” ብምስላ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ንኦም በለስን፥ ንዅሉ ኣእዋምን ተመልከቱ፤ ክጥጥዑ እንተለዉ ምስ ረአኹም፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ኸዓ እዙይ ክኸውን ክትሪኡ እንተለኹም፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዝቐረበት ፍለጡ። እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን። “እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ! እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሎም ኣብ ገፅ ምድሪ ዝነብሩ፥ ከም መፈንጠር ክትበፅሖም እያ እሞ። እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽተምልጡን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብውን፥ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእሉን፥ ኵልሻዕ ተጊህኹም ፀልዩ።” ኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፥ ለይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ደብረ ዘይት ኣብ ዝበሃል እምባ ደዪቡ ይሓድር ነበረ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፥ ንእኡ ኽሰምዕ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ይግስግስ ነበረ። ፋሲካ ዝበሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ነቶም ህዝቢ ይፈርሑ ስለ ዝነበሩ፥ ከመይ ገይሮም ንኢየሱስ ከም ዝቐትልዎ፥ ይበላሓቱ ነበሩ። ሽዑ ሰይጣን ኣብ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ከይዱ ኸዓ፥ ከመይ ገይሩ ኣሕሊፉ ኸም ዝህቦም፥ ምስቶም ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ተዘራረበ። ንሳቶምውን ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ይሁዳ ድማ ተሰማምዖም፤ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ኸትሕዞውን፥ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ። እታ በጊዕ ፋሲካ ዝሓርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ድማ በፅሐት። ኢየሱስ ከዓ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን “በጊዕ ፋሲካ ኽንበልዕስ፥ ኬድኩም ኣዳልዉልና” ኢሉ ለኣኾም። ንሳቶም ከዓ “ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ። ንሱ ድማ “እንሆ፥ ኣብ ከተማ ምስ ኣተኹም፥ ዕትሮ ማይ ዝፆረ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ሰዓብዎ። ነቲ በዓል ገዛ ኸዓ ‘መምህር እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋሲካ ዝበልዐላ፥ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ’ በልዎ። ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ደብሪ ዝተነፀፈ፥ ገፊሕ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ እሞ፥ ኣብኡ ኣዳልዉልና” በሎም። ከይዶም ድማ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ በጊዕ ፋሲካውን ኣዳለዉ። እታ ሰዓት ምስ በፅሐት፥ ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ቅድሚ መከራይ፥ ምሳኻትኩም በጊዕ ፋሲካ ኽበልዕ፥ ብዙሕ ሃረር ኢለ ነይረ። እዙይ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ደጊም ካብዙይ ከም ዘይበልዕ እብለኩም ኣለኹ።” ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፦ “እንኩ፥ እዙይ ንዅልኻትኩም ተኻፈልዎ። መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመፅእ፥ ካብ ፍረ ወይኒ ሕብስቲ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ ንመዘከርታይ ግበርዎ” እናበለ ሃቦም። ከምኡውን ድሕሪ ድራር፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ፥ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ በቲ ምእንታኻትኩም ብዝፈስስ ደመይ ዝግበር፥ ሓድሽ ኪዳን እዩ። ግና ኢድ እቲ ዘትሕዘኒ ኣብ ማእዲ ምሳይ እኒሃ። ወዲ ሰብስ ከምቲ ዝተፅሓፈሉ ክኸይድ እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዘትሕዞ ግና ወይለኡ!” በለ። ካብኣቶም እዙይ ዝገብር መን ከም ዝኾነ፥ ንስንሳቶም ተጠያየቑ። ብድሕሪኡ እቶም ደቀ መዛሙርት “ካብ መንጎኣቶም መን ከም ዝዓቢ” ንስንሳቶም ተኸራኸሩ። ሽዑ ኢየሱስ፦ “ንኣህዛብ ነገስታቶም ይገዝእዎም፤ እቶም ስልጣን ዘለዎም ከዓ፥ ገበርቲ ሰናይ ይበሃሉ። ኣባኻትኩም ግና ኸምዙይ ኣይኹን፤ ኣባኻትኩምስ፥ እቲ ዓብዪ ኸም ንእሽተይ፥ እቲ ሓለቓ ኸም ኣገልጋሊ ይኹን። ካብቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥን፥ ካብቲ ዘገልግልን ኣየናይ ይዓቢ? እቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥዶ ኣይኮነን? ኣነ ግና ኣብ ማእኸልኩም፥ ከም ኣገልጋሊ እየ። ንስኻትኩም ብመከራይ ምሳይ ዝተዓገስኩም ኢኹም እሞ፥ ኣብታ መንግስተይ፥ ኣብ ማእደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፥ ኣብ ዙፋናት ተቐሚጥኩም ድማ፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ፥ ከምቲ ኣቦይ ንኣይ መንግስቲ ዝሃበኒ፥ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ኣነ መንግስቲ እህበኩም ኣለኹ” በሎም። ኢየሱስ “ስምኦን! ስምኦን! እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ለመነ። ኣነ ግና፥ እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ፀለኹ፤ ንስኻውን ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣፀናንዓዮም” በሎ። ስምኦን ግና “ኦ ጐይታ! ኣነስ ንማእሰርቲ ኾነ ንሞት፥ ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣለኹ” በሎ። ንሱ ግና “ጴጥሮስ፥ ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ ኸም ዘይትፈልጠኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ እብለካ ኣለኹ” በሎ። ኣስዒቡ ድማ፦ “እቲ ብዘይ ሳንጣ፥ ብዘይ ስንቂ፥ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹም፥ ዝኾነ ዝጐደለኩምዶ ነይሩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዝጐደለና ኣይነበረን” በልዎ። “ሕዚ ግና ሳንጣ ዘለዎ ይማላእ፤ ከምኡውን ስንቂ፤ እቲ ዘይብሉውን ክዳኑ ሸይጡ፥ ሰይፊ ይዓድግ። እብለኩም ኣለኹ፥ ‘ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ’ ዝብል ፅሑፍ፥ ኣባይ ክፍፀም ግድን እዩ። እወ እቲ ዅሉ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ሕዚ ይፍፀም ኣሎ” በሎም። ንሳቶም ከዓ፥ “ጐይታ፥ እንሆ፥ ኣብዙይ ክልተ ኣስይፍቲ ኣለዉ” በልዎ። ንሱ ድማ “ይኣክል” በሎም። ኢየሱስ ወፂኡ ኸምቲ ልማዱ ኽፅሊ፥ ናብ ደብረ ዘይት ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ተኸተልዎ። ኣብታ ስፍራ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ ፀልዩ” በሎም። ንሱ ድማ ኻብኣቶም ዳርባ እምኒ ዝኣክል ርሒቑ፥ ተንበርኪኹ “ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓድካ ደኣ እምበር፥ ፍቓደይ ኣይኹን” እናበለ ፀለየ። ዘበረታትዖ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ሰማይ ተርኣዮ። የመና ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ፥ ኣበርቲዑ ፀለየ። ረሃፁ ኸም ነጠብጣብ ደም፥ ናብ ምድሪ የንጠብጥብ ነበረ። ካብ ፀሎቱ ተሲኡ፥ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ፥ ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ደቂሶም ረኸቦም። ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ትድቅሱ? ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተሲእኹም ፀልዩ” በሎም። ኢየሱስ እዙይ እናበሎም እንተሎ፥ እንሆ ብዙሓት ሰባት መፁ፤ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ ይሁዳ ድማ፥ ይመርሖም ነበረ፤ ንኢየሱስውን ክስዕሞ ቐረበ። ኢየሱስ ድማ “ይሁዳ፥ ብምስዓምዶ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ትህቦ ኣለኻ?” በሎ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኸዓ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ “ጐይታ፥ ብሰይፊ ኽንወቕዖምዶ ትፈቅድ ኢኻ?” በልዎ። ሓደ ኻብኣቶም ድማ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ የማነይቲ እዝኑውን ቈረፆ። ኢየሱስ ግና “እዙይስ ሕደግ” ኢሉ፥ እዝኑ ዳህሲሱ ኣሕወዮ። ኢየሱስ፥ ነቶም ክሕዝዎ ዝመፁ ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሽማግለታትን፦ “ከም ከታሪዶ ኣስይፍትን ኣብትርትን ሒዝኩም መፂእኹምኒ? ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምሳኻትኩም ነይረ፤ ኣእዳውኩምኳ ኣየልዓልኩምለይን፤ እዙይ ግና ጊዜኹምን፥ ጊዜ ናይ ፀልማት በዓል ስልጣንን እዩ” በሎም። ሒዞም ድማ ናብ ገዛ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ጴጥሮስ ከዓ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ውሽጢ እቲ መካበብያ፥ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ነበሩ። ጴጥሮስውን ኣብ መንጎኣቶም ተቐሚጡ ነበረ። ሓንቲ ገረድ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረአየቶ ኣትኲራ ጠሚታ፥ “እዙይውን ምስኡ ነይሩ እዩ” በለት። ንሱ ግና፥ “ኣቲ ሰበይቲ ኣነ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ፥ ካልእ ምስ ረአዮ “ንስኻውን ካብኣቶም ኢኻ” በሎ። ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣይኮንኩን” በሎ። ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ካልእ ሰብ “እዙይ ገሊላዊ እዩ፤ ብርግፅውን ምስኡ ነይሩ እዩ” እናበለ ኣትሪሩ ተዛረበ። ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ነዝ እትብሎ ዘለኻ ኣይፈልጦን እየ” በለ። እዙይ እናተዛረበ እንተሎ፥ ሽዑ ዶርሆ ነቀወ። ጐይታ ኢየሱስ ድማ፥ ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ “ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ። ጴጥሮስ ድማ ናብ ደገ ወፂኡ፥ መሪር ብኽያት በኸየ። እቶም ንኢየሱስ ዝሓዝዎ ሰባት ድማ፥ የላግፁሉን ይወቕዕዎን ነበሩ። ገፁ ሸፊኖም ድማ ይፀፍዕዎ፥ “እስኪ ተነበየልና፥ መን እዩ ዝፀፍዐካ?” እናበሉ ይጥይቕዎ ነበሩ። እናፀረፉ ኸዓ ብዙሕ ካልእ ነገራት በልዎ። ምስ ወግሐ፥ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ተኣኪቦም፥ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ። “ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፥ እስኪ ንገረና” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እንተ ነገርኩኹም ኣይትኣምኑንን፤ እንተ ጠየቕኩኹም ድማ፥ ኣይትምልሱለይን፤ ኣይትሰዱንንውን ኢኹም። ካብ ሕዚ ግና፥ ወዲ ሰብ ብየማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ክቕመጥ እዩ” በሎም። ኵሎም ከዓ፥ “እምበኣር ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ?” በልዎ። ንሱ ድማ፥ “ከምኡ ኸም ዝኾንኩስ፥ ንስኻትኩምኳ ትብሉ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ባዕልትና ኻብ ኣፉ ኻብ ሰማዕናኸ፥ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና?” በሉ። ሽዑ ዅላቶም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተሲኦም፥ ንኢየሱስ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። ንሳቶም ድማ “እዝ ሰብዙይ ንህዝብና እንተስሕቶም፥ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ እንትኽልክሎም፥ ባዕሉውን ‘ክርስቶስ ንጉስ እየ’ እናበለ፥ ክዛረቦም እንተሎ ረኺብናዮ” እናበሉ ክኸስዎ ጀመሩ። ጲላጦስ ከዓ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ፤ “ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። ጲላጦስ ድማ ንሊቃነ ካህናትን ነቶም ህዝብን “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን” በሎም። ንሳቶም ግና፥ “ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብዙይ፥ ኣብ ኵሉ ይሁዳ እናመሃረ፥ ንህዝቢ የለዓዕል ኣሎ” እናበሉ ኣምሪሮም ተናገሩ። ጲላጦስ ከዓ ገሊላ እንትብሉ ምስ ሰምዐ፥ ገሊላዊ ምዃኑ ጠየቐ። ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፥ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ፤ ንሱ በታ ቕነ እቲኣ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበረሞ። ሄሮድስ ብዛዕባ ኢየሱስ ብዙሕ ይሰምዕ ነበረ፤ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩውን ክሪኦ ይደሊ ነበረ፤ ንሱ ዝገብሮ ተኣምራትውን ክርኢ ይምነ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ የመና ተሓጐሰ። ብዙሕ ነገራትውን ጠየቖ፤ ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ፥ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ። ሄሮድስውን ምስ ሓሻኽሩ ኾይኑ፥ ኣቃለሎን ሓጨጨሉን፤ ቀይሕ ክዳን ክብሪ ኸዲኑ ድማ፥ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ። ጲላጦስን ሄሮድስን፥ ቅድም እንትብል ፅልኢ ነይርዎምስ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ተዓረቑ። ጲላጦስ ግና፥ ንሊቃነ ካህናትን ንሽማግለታትን ንህዝብን ብሓባር ፀዊዑ፦ “ነዝ ሰብ እዙይ፥ ‘ህዝቢ የስሕት ኣሎ’ ኢልኩም ናባይ ኣምፂእኹምዎ፤ እንተ ኾነ፥ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፥ ካብቲ ዘቕረብኩምዎ ኽሲ፥ ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደልኳ ኣይረኸብኩን። ናብ ሄሮድስ ሰዲደዮ ነይረ፤ ሄሮድስ ድማ፥ ናባና መሊሱ ሰዲድዎ። እንሆ ናብ ሞት ዘብፅሕ፥ ሓደ ነገር እኳ ኣይገበረን። ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ” በሎም። እዙይ ዝበለ፥ በብበዓል ሓደ እሱር ክፈትሐሎም፥ ንቡር ስለ ዝነበረ እዩ። እቶም ህዝቢ ድማ ዅላቶም፥ “ነዙይ ኣወግዶ! ንበርባን ግና ፍትሐልና!” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። በርባን፥ ኣብ ከተማ ሁከት ብምልዕዓልን፥ ሰብ ብምቕታልን፥ ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። ጲላጦስ ንኢየሱስ ክፈትሖ ደልዩ፥ ደጊሙ ተዛረቦም። ንሳቶም ግና “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ድምፂ ኣስምዑ። ጲላጦስ ከዓ ንሳልሳይ ጊዜ “እንታይ ክፉእ ገበረ? ናብ ሞት ዘብፅሕ ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን፤ ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ” በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም ክስቀል ለመንዎ፤ ቃሎምን፥ ቃል ሊቃነ ካህናትን ድማ በርትዐ። ጲላጦስ ድማ ልመናኦም ክፍፀመሎም ፈረደ። ነቲ ሁከት ብምልዕዓልን፥ ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን፥ ከም ልመናኦም ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና፥ ከም ድልየቶም ክገብርዎ፥ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንኢየሱስ ሒዞምዎ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ንስምኦን ቀሬናዊ፥ ካብ በረኻ ኽኣቱ እንተሎ ሓዝዎ፤ መስቀል ኣሰኪሞም ድማ፥ ደድሕሪኡ ኸም ዝስዕብ ገበሩ፦ ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ይስዕቦ ነበረ፤ ኣንስትውን የልቅሳሉን ይበኽያሉን ነበራ። ኢየሱስ ግና ናብኣተን ግልፅ ኢሉ “ኦ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ርእስኽንን ምእንቲ ደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፥ ምእንታይስ ኣይትብከያ፤ እተን መኻናትን፥ ዘይወለዳ ማህፀናትን፥ ዘየጥበዋ ኣጥባትን፥ ብፁኣት እየን፤ ዝብሉለን መዓልቲታት ክመፃ እየንሞ። በቲ ጊዜ እቱይ ‘ንእምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ንዀረብታታትውን ከውሉና፥ ምባል ክጅምሩ እዮም።’ ኣብ ርሑስ ኦም ከምዙይ ዝገበሩስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ደኣ፥ ከመይ ክኸውን እዩ?” ንኽልተ ኸተርትውን ምስኡ ኽሰቕልዎም ወሰድዎም። ቀራንዮ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ምስ በፅሑ፥ ኣብኡ ሰቐልዎ፤ ነቶም ክልተ ኸተርቲውን ሓደ ብየማኑ፥ ሓደ ብፀጋሙ ሰቐልዎም። ኢየሱስ ድማ፥ “ኦ ኣቦይ! ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም” በለ። ንኽዳውንቱውን ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ። እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፤ እቶም ሹመኛታት “ንኻልኦት ዘድሕን፥ ንሱ ክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ሕሩይ እንተ ኾይኑስ፥ እስኪ ንባዕሉ የድሕን” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ። እቶም ወታደራትውን የባጭውሉ ነበሩ፤ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ክሰትዮ መፂፅ ሃብዎ። “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፥ ንባዕልኻ ኣድሕን” በልዎ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ “እዙይ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዝብል፥ ብፊደል ግሪክን ሮማይስጥን ዕብራይስጥን ዝተፅሓፈ ፅሕፈት ነበረ። ሓደ ኻብቶም ምስኡ ዝተሰቕሉ ኸተርቲ፥ “ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፥ ንባዕልኻን ንኣናን ኣድሕን” እናበለ ይሕጭጨሉ ነበረ። እቲ ኻልኣዩ ግና፥ “ኣታ፥ ኣብዝ ኸምዙይ ዝበለ ፍርዲ እንተለኻ፥ ንእግዚኣብሄርዶ ኣይትፈርሕን ኢኻ? ንሕናስ ብሓቂ፥ ብግብርና ዝግብአና ተፈዲና፤ እዙይ ግና፥ ሓንቲ ኽፍኣት ኣይገበረን” ኢሉ ገሰፆ። ንኢየሱስ ከዓ፦ “ኦ ጐይታ! ብመንግስትኻ ኽትመፅእ እንተለኻ ዘክረኒ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ኣብ ገነት፥ ምሳይ ከም እትኸውን፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ። ካብ ቀትሪ ሽዱሽተ ሰዓት፥ ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ናይ መዓልቲ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ፀልማት ኮነ። ፀሓይ ፀልመተት፤ መጋረጃ ቤተ መቕደስውን፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕፅና ኣለኹ” በለ። እዙይ ምስ በለ ነፍሱ ወፀት። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአየ፥ “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብሓቂ ፃድቕ እዩ ነይሩ” እናበለ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ። እቶም ክሪኡ ዝተኣከቡ ህዝቢ ድማ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ፥ ነናብ ገዛኦም ተመለሱ። እቶም ዝፈልጥዎ ዅሎምን፥ እተን ካብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ኣንስትን ከዓ፥ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዙይ ይጥምቱ ነበሩ። እንሆ፥ ዮሴፍ ዝስሙ ኣባል ባይቶ ኣይሁድ፥ ሕያዋይን ፃድቕን ሰብ መፀ። ዓዱ ድማ ኣርማትያስ ዝበሃል፥ ከተማ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበያ ደኣ ነበረ እምበር፥ ኣብቲ ምኽሪ ኣይሁድን ግብሮምን ግና፥ ሕብረት ኣይነበሮን። ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ኽህቦ ለመኖ። ኣውሪዱ ኸዓ፥ ብሓድሽ ፃዕዳ ሓሪ ገነዞ፤ ሰብ ኣብ ዘይተቐበሮ፥ ውቑር መቓብርውን ቀበሮ። ሽዑ መዓልቲ ምድላው፥ ድሮ ሰንበት ነበረ። እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመፃ ኣንስቲ ድማ ተኸቲለን፥ መቓብሩን ነቲ ስጋኡ ኸመይ ከም ዘንበሩዎን ረአያ። ተመሊሰን ከዓ ሽቱን ቅብኣትን ኣዳለዋ፤ ግና ኸምቲ ትእዛዝ ሕጊ፥ ሰንበት ስለ ዝኾነ ኣዕሪፈን ወዓላ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ እተን ኣንስቲ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፥ ካልኦትውን ምስኣተን፥ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ። እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ። ኣብኡ ኣትየን ግና፥ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ስጋ ኣይረኸባን። ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ፥ እንሆ ዘንፀባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ። ፈሪሐን ገፀን ናብ ምድሪ ኣድኒነን እንተለዋ፥ ንሳቶም፦ “ንምንታይ ደኣ፥ ነቲ ህያው፥ ምስ ምውታን ትደልያኦ ኣለኽን? ንሱስ፥ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን። ነቲ ኣብ ገሊላ እንተሎ ‘ወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክወሃብን ክስቀልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ ግድን እዩ’ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራ” በልወን። ነቲ ቓሉ ኸዓ ዘከራ። ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ ነዝ ዅሉ፥ ነቶም ዓሰርተ ሓደን፥ ነቶም ካልኦት ብፆቶምን ነገራኦም። እተን እዙይ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ፥ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን፥ ማርያም እኖ ያእቆብን እየን። ካልኦት ኣንስትውን ምስኣተን ነበራ። እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ሃተፍተፍ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ ኣይኣመንወንን። ጴጥሮስ ግና ተሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ፤ ድንን ኢሉ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እቲ መግነዝ በይኑ ተቐሚጡ ረአየ። በቲ ዝኾነ እናተገረመ ኸዓ፥ ናብ ገዛኡ ተመለሰ። እንሆ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክልተ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት፥ ካብ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ሜትር ንሳቶም ድማ በቲ ዅሉ ዝኾነ፥ ንስንሳቶም ይዘራረቡ ነበሩ። እንትዘራረቡን እንትመራመሩን እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ምስኣቶም ሕውስ ኢሉ፥ ክኸይድ ጀመረ። ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተኸሊለን ነበራ። ንሱ ድማ “እዝ እናኸድኩም፥ ሓደ ኻብኣቶም ስሙ ቀለዮጳ ዝበሃል “በዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥስ፥ ንስኻ በይንኻዶ ጋሻ ኢኻ?” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸዓ “እንታይ እዩ?” በሎም፤ ንሳቶምውን ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ብዛዕባ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እዩ፤ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን፥ ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ ነቢይ ነበረ። ንእኡ ሊቃነ ካህናትን ሹመኛታትን፥ ናብ ናይ ሞት ፍርዲ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን፥ ከም ዝሰቐልዎን፥ ንሕና ግና፥ ንእስራኤል ዘድሕን፥ ንሱ እዩ ኢልና፥ ተስፋ ንገብር ኔርና፤ ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እዙይ ካብ ዝኸውን፥ ሎሚ ሳልሳይ መዓልቲ እዩ። ካባና ናብ መቓብር ገስጊሰን ከይደን ዝነበራ ኣንስቲ ግና፥ ዘገርም ነገር ነገራና። ስጋኡ ምስ ሰኣና፥ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን፥ ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረአያ፥ መፂአን ነገራና። ካባናውን ገሊኣቶም ሰባት፥ ናብ መቓብር ምስ ከዱ፥ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ኾይኑ ረኸብዎ፤ ንእኡ ግና ኣይረአይዎን።” ንሱ ድማ፥ “ኣቱም ነቢያት ዝተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ፥ ኣቱም ዘይተስተውዕሉ፥ ክርስቶስ ነዝ መከራ እዙይ ክቕበል እሞ፥ ናብ ክብሩ ኽኣቱ ግድንዶ ኣይኮነን?” በሎም። ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ መፃሕፍቲ ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን እናጠቐሰ፥ ክገልፀሎም ጀመረ። ናብታ ይኸዱዋ ዝነበሩ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸዓ፥ ሓሊፉ ዝኸይድ መሰለ። ንሳቶም ግና “መስዩ እዩ፤ ፀሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፥ ምሳና ሕደር” ኢሎም ኣጥቢቖም ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ምስኣቶም ክሓድር ኣተወ። ኣብ ማእዲ ምስኣቶም ምስ ተቐመጠ ድማ፥ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ባሪኹ፥ ቈሪሱ ሃቦም። ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ እሞ ኣለለይዎ፤ ንሱ ግና ኻብኣቶም ተሰወረ። ንስንሳቶም ከዓ “እቲ ኣብ መንገዲ ኽዛረበናን፥ መፃሕፍቲ እናጠቐሰ ኽገልፀልናን እንተሎዶ ግዳ፥ ልብና ይነደና ኣይነበረን?” ተበሃሃሉ። በታ ሰዓት እቲኣ ተልዒሎም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱን፥ ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩን ተኣኪቦም ረኸብዎም። “ብሓቂ ጐይታ ተሲኡ እዩ! ንስምኦንውን ተርእዩዎ እዩ” ይብሉ ነበሩ። እቶም ክልተ ድማ፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝኾነን፥ እንጀራ ኽቘርስ እንተሎ፥ ከመይ ኢሎም ከም ዘለለይዎን ነገርዎም። እዙይ ክዘራረቡ እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ባዕሉ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ንሳቶም፥ መንፈስ ዝረአዩ መሲልዎም ደንገፁ። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትድንግፁ? ከምዙይ ዝበለ ሓሳብከ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓዓል? ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፥ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረአዩ፤ ከምዝ ኣባይ እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመንፈስ ስጋን ዓፅምን የብሉን እሞ፥ ዳህሲስኩም ረአዩኒ” በሎም። እዙይ ኢሉ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። ንሳቶም ድማ ኻብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ምእማን ስኢኖም እናተገረሙ እንተለዉ፥ “ዝኾነ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ ጥቡስ ዓሳን፥ ወለላ መዓርን ሃብዎ። ተቐቢሉ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም በልዐ። ንሱ ድማ “እዙይ እቲ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን መዝሙርን፥ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ኽፍፀም ግድን እዩ ኢለ፥ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይ እዩ” በሎም። ሽዑ ነተን መፃሕፍቲ ኸስተውዕልወን፥ ኣእምሮኦም ከፈተሎም። ቀፂሉ ድማ “ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ካብ ሞት ከም ዝትስእ፥ ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ። ናይዝ ነገራትዙይ መሰኻኽርውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።” “እንሆ ኣነ፥ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ፅንሑ” በሎም። ሽዑ ኢየሱስ ንወፃኢ፥ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፤ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። ክባርኾም እንተሎ ኸዓ፥ ካብኣቶም ተፈለየ፤ ናብ ሰማይውን ዓረገ። ንሳቶም ድማ ሰገዱሉ፤ ብብዙሕ ሓጐስውን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ኩልሻዕውን ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ። ንሱ ብመጀመርታ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ። ኵሉ ብእኡ ኾነ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኾነ ድማ፥ ብዘይ ብእኡ ሓደኳ ዝኾነ የለን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ፀልማት የብርህ፤ ፀልማት ከዓ ኣይሰዓሮን። ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኵሎም ብብርሃን ምእንቲ ኽኣምኑ፥ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መፀ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኽምስክር መፀ እምበር፥ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ። ኣብ ዓለምውን ነበረ፤ ዓለም ከዓ ብእኡ ኾነ፤ ዓለም ግና ኣይፈለጦን። ናብቶም ናቱ መፀ፤ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን። ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም። ንሳቶም ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለዱ እምበር፥ ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዮሃንስ ብዛዕባኡ፥ “እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ ይዓቢ እዩ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ” እናበለ ዓው ኢሉ መስከረ። ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና። ሕጊ ብሙሴ ተውሃበ፤ ፀጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ። ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር። “ኣነስ ክርስቶስ ኣይኮንኩን” ኢሉ መስከረ እምበር፥ ኣይከሓደን። ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም “መን ደኣ ኢኻ? ነቶም ዝለኣኹና መልሲ ምእንቲ ኽንህቦምስ፥ ንባዕልኻ መን እየ ትብል?” በልዎ። እቶም ልኡኻት ካብ ወገን ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከዓ “እምበኣር ክርስቶስ ወይ ኤልያስ ወይ ነቢይ እንተ ዘይኴንካ፥ ንምንታይ ተጥምቕ ኣለኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ዮሃንስ ድማ “ኣነ ብማይ ኣጥምቕ ኣለኹ፤ ግና ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእኸልኩም ደው ኢሉ ኣሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ብድሕረይ ዝመፅእ፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፥ ንሱ እዩ” እዙይ ኣብቲ ዮሃንስ ዘጥምቐሉ ዝነበረ፥ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤተ ራባ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኮነ። “እቲ ኣነ ብዛዕባኡ፥ ‘እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ የመና ይዓቢ እዩ’ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ። ኣነ ኣይፈልጦን ነይረ፤ ንሱ ግና ንእስራኤል ምእንቲ ኽግለፅ፥ ኣነ ብማይ እናጥመቕኩ መፃእኹ።” መሊሱውን ዮሃንስ ከምዙይ ኢሉ መስከረ፦ “መንፈስ ቅዱስ፥ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኽወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ሓደረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ፥ ‘መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንተሎ እትሪኦ፥ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ’ ኣነ ባዕለይ ከዓ ረአኹ፤ ንሱ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ድማ መስከርኩ።” ንኢየሱስ ክሓልፍ እንተሎ ምስ ረአዮ “እንሆ! ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ” በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ከዓ፥ እዙይ እንትብል ሰሚዖም ንኢየሱስ ተኸተልዎ። ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ክኽተልዎ እንተለዉ ሪኡ፥ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ረቢ፥ ኣበይ ትነብር?” ንሱ ኸዓ “ንዑ ረአዩ” በሎም። መፂኦም ድማ ኣበይ ከም ዝነብር ካብቶም ዮሃንስ ዝበሎ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዝተኸተልዎ ኽልተ፥ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ነበረ። ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ “ንመሲሕ ረኺብናዮ” በሎ። ትርጕሙ ኸዓ “ክርስቶስ” ማለት እዩ። ናብ ኢየሱስውን ወሰዶ፤ ኢየሱስ ከዓ ናብኡ እናጠመተ “ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ፤ ንስኻ ኬፋ ፊልጶስ ድማ ኻብ ቤተ ሳይዳ፥ ወዲ ዓዳቶም ንእንድርያስን ንጴጥሮስን ነበረ። ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ “እቲ ሙሴ ኣብ ኦሪት፥ ነቢያትውን ብዛዕባኡ ዝፀሓፉሉ፥ ንኢየሱስ ወዲ ዮሴፍ በዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” በሎ። ናትናኤል ድማ “ካብ ናዝሬትዶ ሰናይ ኽወፅእ ይኽእል እዩ?” በሎ። ፊልጶስ ከዓ “ነዓ ረአ” በሎ። ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ። ናትናኤል ድማ “ኣበይ ትፈልጠኒ?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ፊልጶስ እንተይፀውዐካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ እንተለኻ ሪአካ” ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ “መምህር፥ ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣብ ትሕቲ በለስ ሪአካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ? ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኣስዒቡ ኸዓ “ካብ ሕዚ ሰማይ ተኸፊቱ፥ መላእኽቲ እግዚኣብሄርውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና መርዓ ነበረ። እኖ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት። ኢየሱስውን ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብቲ መርዓ ተዓዲሙ ነበረ። ወይኒ ምስ ተወድኦም፥ እኖ ኢየሱስ “ወይኒኮ የብሎምን እዩ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣለኒ? ጊዜይ እኮ ገና ኣይበፅሐን” በላ። እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም። ኣብኡ ኣይሁድ ከምቲ ስርዓቶም ዝነፅሁለን፥ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዝሕዛ፥ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጠን ነበራ። ኢየሱስ ነቶም መሰለፍቲ “ነዘን ኣጋንእ፥ ማይ ምልእወን” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኽሳዕ ኣፈን መልእወን። ሽዑ “ሕዚ ቐዲሕኹም ነቲ ኣቦ ዳስ ሃብዎ” በሎም። ንሳቶም ድማ ወሲዶም ሃብዎ። እቲ ኣቦ ዳስ ግና፥ ነቲ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ማይ፥ “ኵሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑም ወይኒ የስቲ፤ ብዙሕ ምስ ሰተዩ ኸዓ፥ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሕኻዮ” በሎ። ኢየሱስ ነዝ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዙይ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና ገበረ። ክብሩ ድማ ገለፀ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ። ድሕሪዙይ ንሱ፥ እኖኡ፥ ኣሕዋቱ፥ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዶም፥ ኣብኡ ቑሩብ መዓልቲ ተቐመጡ። ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ፥ ኣብዑርን ኣባጊዕን ርግብታትን ዝሸጡ፥ መሽረፍቲ ገንዘብውን ተቐሚጦም ረኸበ። ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ፥ ንዅሎም ኣባጊዕን ኣብዑርን፥ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ እውን በተኖ፤ ነቲ ጠረጴዛውን ገምጠሎ። ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ “ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ!” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ቅንኣት ቤትካ በልዐኒ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ። ሽዑ ኣይሁድ፥ “ነዙይ ክትገብር ስልጣን ከም ዘለካ፥ እንታይ ምልክት ተርእየና?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ ድማ፥ “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ኸዓ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ እየ” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣይሁድ ድማ “እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ በርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እዩ ዝተሃንፀ፤ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኽተልዕሎ ኢኻ?” በልዎ። ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ። ካብ ምዉታን ምስ ተስአ፥ ደቀ መዛሙርቱ ስለዙይ ከም ዝበሎም ዘከሩ፤ በቲ ቓል መፅሓፍን፥ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦን ድማ ኣመኑ። ኢየሱስ ግና ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን። ነቲ ዅሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ፥ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣየድልዮን ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መፂኡ፥ “መምህር፥ ብዘይ እቲ እግዚኣብሄር ምስኡ ዝኾነ ሰብ፥ ነዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ተኣምራት፥ ክገብሮ ዝኽእል ሓደኳ የለን እሞ፥ ንስኻ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፃእኻ መምህር ምዃንካ ንፈልጥ ኢና” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ሰብ ካልኣይ እንተ ዘይተወሊዱ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከዓ “ሰብከ ምስ ዓበየ፥ ከመይ ኢሉ ኻልኣይ ክውለድ ይኽእል? መሊሱ ናብ ማህፀን እኖኡ ኣትዩ ኽውለድዶ ይኽእል እዩ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፤ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ [ቅዱስን] እንተ ዘይተወሊዱ፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የለን። እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ። ካልኣይ ክትውለዱ ኣለኩም ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፤ ድምፁ ኸዓ ትሰምዕ፤ ካበይ ከም ዝመፅእ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ኵሉ እቲ ኻብ መንፈስ [ቅዱስ] ዝውለድ ድማ ኸምኡ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል?” በሎ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ መምህር እስራኤል እንትትከውን፥ ከመይ እዝ ነገር እዙይ ዘይትፈልጥ? ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ እንፈልጦ ንዛረብ፤ ዝረአናዮውን ንምስክር፤ ንምስክርነትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ዘይኣመንኩምስ፥ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፥ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ? ብዘይ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥ ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፥ ከይጠፍእስ፥ ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ንተመን ዝሰቐሎ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል ኣለዎ። እግዚኣብሄር ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፥ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽድሕን እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን እዩ፤ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መፀ፤ ሰባት ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ብርሃን ፀልማት ፈተዉ። ኵሉ እቲ ኽፉእ ዝገብር፥ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለፅ ብርሃን ይፀልእ እምበር፥ ናብ ብርሃን ኣይመፅእን። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፥ እቲ ግብሩ ብእግዚኣብሄር ዝተገበረ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ ናብ ብርሃን ይመፅእ።” ኣብ ሄኖን ጥቓ ሳሌም ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረሞ፤ ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ስርዓት ምንፃህ፥ ክርክር ተልዓለ። ናብ ዮሃንስ መፂኦም ከዓ “መምህር፥ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፥ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፥ እንሆ ንሱ የጥምቕ ኣሎ፤ ኵሎም ከዓ ናብኡ ይኸዱ ኣለዉ” በልዎ። ዮሃንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተውሂብዎስ፥ ሓንቲ እኳ ኽቕበል ኣይኽእልን እዩ። ‘ኣነ ቐቅድሚኡ ዝተልኣኽኩ ደኣ እምበር፥ ክርስቶስ ኣይኮንኩን’ ከም ዝበልኩ፥ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም። እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፥ ብድምፂ መርዓዊ ንሱ ኽልዕል ኣነ ኽትሕት ይግባእ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመፅእ፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ፤ እቲ ኻብ ምድሪ ዝኾነ ኸዓ፥ ምድራዊ እዩ፤ ናይ ምድሪ እውን ይዛረብ፤ እቲ ኻብ ሰማይ ዝመፅእ ግና፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ነቲ ምስክሩ ደኣ ዝቕበሎ የለን እምበር፥ ንሱስ ነቲ ዝረአዮን ዝሰምዖን እዩ ዝምስክር። እቲ ንምስክርነቱ ዝተቐበለ ግና፥ እግዚኣብሄር ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ኣረጋገፀ። እግዚኣብሄር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ፥ ንሱ ቓል እግዚኣብሄር እዩ ዝነግር። ኣብ፥ ንወዱ የፍቅሮ እዩ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ኣብ ኢዱ ሃቦ። እቲ ብወልድ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እምበር፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይሪኣን እዩ።” ግና ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፥ ባዕሉ ኢየሱስ ኣየጥመቐን። እዙይ ምስ ፈለጠ ኸዓ፥ ንምድሪ ይሁዳ ሓዲጉ ናብ ገሊላ ተመለሰ። ብሰማርያ ኣቢሉ ኽሓልፍ ከዓ ግዲ ኾኖ። ስለዙይውን ናብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ፥ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መፀ። ኣብኡ ኸዓ ዒላ ያእቆብ ነበረ፤ ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መንገዲ ደኺሙ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ተቐመጠ፤ ሽዑ ሽዱሽተ ሰዓት ናይ ቀትሪ ኣቢሉ ነበረ። ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ሰማርያ ማይ ክትቀድሕ መፀት፤ ኢየሱስ ድማ “ማይ ኣስትይኒ?” በላ። ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ምግቢ ኽዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ እሞ፥ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻስ፥ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ፥ ከመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣለኻ?” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ውህብቶ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ፥ መቕድሒ የብልካን፤ እዝ ዒላ ኸዓ፥ ዓሚቝ እዩ፤ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ክተምፅኦ ኢኻ? ንስኻዶ ኻብቲ ነዝ ዒላ እዙይ ዝሃበና ኣቦና ያእቆብ፥ ትዓቢ ኢኻ? ንሱን ደቁን ጥሪቱን ካብኡ ሰተዩ” በለቶ። ኢየሱስ መሊሱ “ኵሉ ኻብዝ ማይ እዙይ ዝሰቲ፥ መሊሱ ኽፀምእ እዩ፤ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ከይፀምእ እሞ ኽቐድሕ ድማ፥ መሊሰ ናብዙይ ከይመፅእስ፥ ካብቲ ማይ እቱይ እንዶ ሃበኒ” በለቶ። ኢየሱስ ከዓ “ኪዲሞ ሰብኣይኪ ፀዊዕኺ ናብዙይ ንዒ” በላ። እታ ሰበይቲ መሊሳ “ሰብኣይ የብለይን” በለቶ። ኢየሱስ ከዓ “ሰብኣይ የብለይን ምባልክስ ሓቂ ተዛሪብኪ፤ ሓሙሽተ ሰብኡት ነይሮምኺ፤ እዝ ሕዚ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ፤ በዙይ ሓቂ ተዛሪብኪ” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ንስኻ ነቢይ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ። ኣቦታትና ኣብዝ እምባ እዙይ ሰገዱ፤ ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ሰባት ክሰግዱሉ ዝግባእ ስፍራ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እዩ ኢኹም እትብሉ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ወይ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ንኣብ ዘይሰግዱሉ ጊዜ ኸም ዝመፅእ እመንኒ። ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፤ ንሕና ግና ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፥ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ። እንተ ኾነ እቶም ብሓቂ ዝሰግዱ፥ ንኣብ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱላ ሰዓት ክትመፅእ እያ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ። ኣብ ከዓ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ፤ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ፥ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባእ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ “እቲ ክርስቶስ ዝብልዎ መሲሕ ከም ዝመፅእ እፈልጥ እየ፤ ኢየሱስ ድማ “ዝዛረበኪ ዘለኹ ኣነ ንሱ እየ” በላ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መፁሞ፥ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡ ተገረሙ፤ ግና “እንታይ ትደሊ?” ወይ “ስለ ምንታይከ ምስኣ ትዛረብ ኣለኻ?” ዝበሎ ሓደኳ ኣይነበረን። እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ነቶም ሰባትውን “ኵሉ ዝገበርክዎ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ረአዩ፤ እንድዒ ክርስቶስ ደኣ ኸይኸውን?” በለቶም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ ከተማ ወፂኦም ናብኡ መፁ። እዙይ ክኸውን እንተሎ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ብላዕ” ኢሎም ለመንዎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣለኒ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ንስንሳቶም “ሰብ ደኾን ዝብላዕ ኣምፂኡሉ ኾይኑ?” ኢየሱስ ድማ “ምግበይስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ። ንስኻትኩም ‘ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ቐውዒ ክኸውን ኢዩዶ ኣይኮንኩምን እትብሉ?’ እንሆ እምበኣር ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፥ ናብቲ ገራሁ ጠምቱ፤ እቲ እኽሊ ኸም ዝፃዕደወ፥ ንዓፂድውን ድሮ ኸም ዝበፅሐ ረአዩ፤ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ዝዘርእን እቲ ዝዓፅድን፥ ብሓባር ምእንቲ ኽሕጐሱ፥ እቲ ዝዓፅድ ዓስቡ ይቕበል፤ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ፍረውን ይእክብ። ‘እቲ ሓደ ይዘርእ፤ እቲ ሓደ ኸዓ ይዓፅድ’ ዝብል ቃል፥ ሓቂ እዩ እሞ። ኣነ ንኣኻትኩም፥ ኣብ ዘይፀዓርኩምሉ ኽትዓፅዱ ለኣኽኩኹም፤ ካልኦት ፀዓሩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብቲ ዝፀዓሩሉ ኣተኹም” በሎም። እታ ሰበይቲ “ኵሉ ዝገበርክዎ ነጊሩኒ” ኢላ ብዝመስከረቶ ቓል፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብኢየሱስ ኣመኑ። እቶም ሳምራውያን ከዓ፥ ናብኡ መፂኦም ምስኣቶም ክቕመጥ ለመንዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ። ካብ ቃሉ ዝተልዓለ ድማ ብዙሓት ኣመኑ። ነታ ሰበይቲ እውን “ባዕልትና ሰሚዕና ደኣ እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር፥ ብዘረባኺ ጥራሕ ኣይኮንናን ዝኣመንና” በልዋ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ካብኡ ወፂኡ ናብ ገሊላ ኸደ፤ ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይኸብር፥ ኢየሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረሞ። መሊሱ ናብ ገሊላ ምስ መፀ እቶም ሰብ ገሊላ ዅሎም ንበዓል መፂኦም ነበሩ እሞ፥ ነቲ ዅሉ በቲ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረአዩ ተቐበልዎ። ኢየሱስ መሊሱ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፥ ኣብ ገሊላ ናብ እትርከብ ቃና መፀ፤ ኣብ ቅፍርናሆም ከዓ፥ ወዱ ዝሓመሞ ናይ ንጉስ ወገን ዝኾነ፥ ሓደ ሹም ነበረ። ንሱ ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ናብኡ ኸደ፤ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዱ ምእንቲ ኸሕውየሉ ንኢየሱስ ለመኖ። ሽዑ ኢየሱስ “ምልክትን ተኣምራትን እንተ ዘይረአኹም ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎ። እቲ ሹም ከዓ “ጐይታይ! ወደይ እንተይሞተ ቐልጢፍካ ውረድ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኪድ፥ ወድኻ ሓውዩ እዩ” በሎ። እቲ ሰብኣይ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቓል ኣሚኑ ኸደ። ክወርድ እንተሎ ኣገልገልቱ ተቐበልዎሞ “ወድኻ ሓውዩ” ኢሎም ኣብሰርዎ። ንሱ ኸዓ እታ ዝሓወየላ ሰዓት ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ትማሊ ብሻውዐይቲ ሰዓት ናይ ቀትሪ ረስኑ ሓዲግዎ” በልዎ። ሽዑ ኣቦኡ በታ ኢየሱስ “ወድኻ ሓውዩ እዩ” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ፤ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኸዓ ብኢየሱስ ኣመነ። ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ መፂኡ ዝገበሮ ተኣምራት እዙይ ካልኣይ እዩ። ድሕሪዙይ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ፤ ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ቤተ ሳይዳ ዝበሃል፥ ሓሙሽተ መመላለሲ ገበላ ዘለዎ ቓላይ ነበረ። ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋፅ ዝፅበዩ ብዙሓት ሕሙማትን፥ ዕዉራትን፥ ሓንካሳትን መፃጕዓትን ይድቅሱ ነበሩ። ፀፀኒሑ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ቓላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውፆ ነበረ፤ እቲ ቐዲሙ ወሪዱ፥ ኣብቲ ዝተናወፀ ማይ ዝኣተወ፥ ካብ ዅሉ ዘለዎ ሕማም ይሓዊ ነበረ። ካብ ዝሓምም ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝገበረ፥ ሓደ ሰብ ኣብኡ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ንእኡ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረአዮ፥ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ?” በሎ። እቲ ሕሙም ከዓ “ጐይታይ! እቲ ማይ ምስ ተናወፀ፥ ኢየሱስ ድማ “ተስእ! ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ፤ ዓራቱ ተሸኪሙውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰንበት ነበረት። ስለዙይውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኽትሽከም ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ። ንሱ ግና “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ‘ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከዓ “እቲ ‘ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ’ ዝበለካ ሰብ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ተሓዊሱ ነበረሞ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ከም ዘሕወዮ ኣይፈለጠን። ብድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃረ እንተሎ፥ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ ኣለኻ፤ ካብዙይ ዝገደደ ኸይረኽበካ፥ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበር” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ኸይዱ፥ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም። ስለዙይ ብሰንበት ነዝ ነገራትዙይ ስለ ዝገበረ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ የሳጕጉዎ ነበሩ፤ ክቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ ግና “ኣቦይ ክሳዕ ሕዚ ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣነውን እሰርሕ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም። ስለዙይ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንእግዚኣብሄርውን “ኣቦይ” ስለ ዝበለ፥ ንባዕሉውን ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዘመዓራረየ፥ ኣይሁድ ክቐትልዎ ኣበርቲዖም ይደልዩ ነበሩ። ኣብ፥ ንወልድ ስለ ዘፍቅሮ፥ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ የርእዮ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድነቑውን፥ ካብዙይ ዝዓቢ ግብሪ ኸርእዮ እዩ። ኣብ፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ህያዋንውን ከም ዝገብሮም፥ ወልድ ድማ፥ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም። ኵሉ ሰብ ከምቲ ንኣብ ዘኽብሮ፥ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ፥ ኵሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ እምበር፥ ኣብ ንሓደኳ ኣይፈርድን እዩ፤ ንወልድ ዘየኽብር፥ ነቲ ዝለኣኾ ኣብውን ኣየኽብርን። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ። እቶም ምዉታን፥ ድምፂ ወዲ እግዚኣብሄር ዝሰምዑላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ፤ ኵሎም እቶም ዝሰምዕዎ ድማ፥ ብህይወት ከም ዝነብሩ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ። ወዲ ሰብ፥ ኵላቶም እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ፥ ድምፁ ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመፅእ እያ እሞ፥ በዙይ ኣይትገረሙ። ሽዑ እቶም ሰናይ ዝገበሩ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ህይወት፥ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ድማ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ኵነኔ፥ ክኸዱ እዮም። ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ ዝምስክር እንተ ኾይነ፥ ምስክርነተይ ሓቂ ኣይኮነን። ግና ንኣይ ዝምስክረለይ ካልእ እዩ፤ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዝምስክሮ ምስክርነት ከዓ፥ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ እየ። ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፤ ንሱ ኸዓ ንሓቂ መስከረ። እዙይ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ እምበር፥ ኣነስ ምስክርነት ሰብ ደልየ ኣይኮንኩን። ንሱ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ከዓ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ጊዜ ደስ ክብለኩም ደለኹም። ኣነ ግና ኻብ ምስክርነት ዮሃንስ ዝበልፅ ምስክር ኣለኒ፤ እዙይ ድማ፥ እቲ ኣብ ክፍፅሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፥ ኣነውን ዝገብሮ ዘለኹ፥ ኣብ ከም ዝለኣኸኒ ንሱ ይምስክረለይ እዩ እሞ። እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ ከዓ፥ ባዕሉ መስኪሩለይ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ድምፁ ኸቶ ኣይሰማዕኹምን፤ መልክዑውን ከቶ ኣይረአኹምን። በቲ ንሱ ዝለኣኾ ስለ ዘይኣመንኩም ከዓ፥ ቃሉ ኣባኻትኩም ኣይሓድርን። ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም፥ ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ናባይ ክትመፁ ኣይትደልዩን ኢኹም። ኣነ ኻብ ሰብ ከንቱ ኽብሪ ኣይደልን እየ። ንስኻትኩም ግና ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ከም ዘየለ እፈልጥ እየ። ኣነ ብስም ኣቦይ መፂአ ኣይተቐበልኩምንን፤ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መፀ ግና፥ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም። ንስኻትኩም ካብ ብፃይኩም ክብሪ እናደለኹም፥ ናይ ሓደ እግዚኣብሄር ክብሪ ግና ዘይትደልዩ፥ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ? ኣነ ኣብ ኣብ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም፤ ዝኸሰኩምስ ኣሎ፤ ንሱውን እቲ ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ ዝኸሰኩም። ንሙሴ እንተ እትኣምንዎስ፥ ንሱ ብዛዕባይ ፅሒፉ እዩ እሞ፥ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። ነቲ ሙሴ ዝፀሓፎ እንተ ዘይኣሚንኩም ግና፥ ከመይ ጌርኩም ድኣ ንቓለይ ክትኣምኑ?” ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ማዕዶ እታ ጥብርያዶስ እትብሃል ባሕሪ ገሊላ ኸደ። ብዙሓት ህዝቢ ኸዓ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም ተኸተልዎ። ኢየሱስ ድማ ናብ እምባ ደዪቡ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ተቐመጠ። በዓል ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ። ሽዑ ኢየሱስ ኣዒንቱ ቘላሕ ኣቢሉ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአየ፥ ንፊልጶስ “ነዚኣቶም እነብልዖም እንጀራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና?” በሎ። እዙይ ዝበሎ ምእንቲ ኽፍትኖ እዩ እምበር፥ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎስ ባዕሉ ይፈልጦ ነበረ። ፊልጶስ ከዓ “ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ንነፍሲ ወከፎም እኳ ቘቍራስ ኣይበፅሖምን” ኢሉ መለሰሉ። ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፥ “ሓሙሽተ እንጀራ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ሓደ መንእሰይ ኣብዙይ ኣሎ፤ እዚኣተን ግና፥ ነዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ሰብ እንታይ ይኣኽላ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ነቶም ህዝቢ ኣቐምጥዎም” በለ፤ ኣብቲ ቦታ ኸዓ፥ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ተቐመጡ፤ ቍፅሮም ከዓ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ። ኢየሱስ ነተን እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ዝተቐመጡ ሰባት ሃብዎም፤ ነቶም ዓሳታትውን ከምኡ ኸከምዝደልዩዎ ሃብዎም። በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብኡ ሓደኳ ኸይባኽን፥ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም። ስለዙይውን ኣከብዎ፤ ተረፍ እቶም ካብተን ሓሙሽተ እንጀራ ስገም ዝበልዑ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ቍርስራስ መልኡ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም “እዙይ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ክመፅእ ዘለዎ ነቢይ እዩ” በሉ። ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ ሒዞም ከንግስዎ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ፈሊጡ፥ መሊሱ በይኑ ናብ እምባ ኣግለሰ። ምስ መሰየ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ። ኣብ ጃልባ ደዪቦም ከዓ፥ ናብቲ ሰገር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ኣቢሎም ከዱ፤ ጊዜኡ ፀልሚቱ ነበረ፤ ኢየሱስውን ናብኣቶም ገና ኣይመፀን ነበረ። ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ስለ ዝነፈሰ እቲ ባሕሪ ይናወፅ ነበረ። ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ፥ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦም ፈርሑ። ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም። ሽዑ ናብታ ጃልባ ኸደይብዎ እናደለዩ እንተለዉ፥ እታ ጃልባ ኸዓ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ ምድሪ በፅሐት። ንፅባሒቱ እቶም ኣብ ሰገር ባሕሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፥ እንትርፊ ሓንቲ ጃልባ፥ ካልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፥ ደቀ መዛሙርቱ ጥራሕ ንበይናቶም ከም ዝኸዱ እምበር፥ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይደየበ ረአዩ። እንተ ኾነ፥ ካልኦት ጃልባታት ካብ ጥብርያዶስ፥ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ባሪኹ እንጀራ ዝበልዑላ ቦታ መፃ። ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ኢየሱስ ኮነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ረአዩ፥ ናብተን ጃልባታት ደዪቦም፥ ንኢየሱስ ክደልይዎ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ኣብ ሰገር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸዓ “መምህር፥ መኣዝ ደኣ ናብዙይ መፂእኻ?” በልዎ። ኢየሱስ መሊሱ “እትደልዩኒ ዘለኹም፥ እንጀራ በሊዕኹም ስለ ዝፀገብኩም ኢኹም እምበር፥ በቲ ዝረአኹምዎ ተኣምራት ከም ዘይኮነ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም። ንሳቶም ድማ “እምበኣር ግብሪ እግዚኣብሄር ክንሰርሕስ፥ እንታይ ንግበር?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም። ሽዑ ንሳቶም “ንሕና ርኢና ምእንቲ ብኣኻ ኽንኣምንስ፥ እንታይ ምልክት ትገብር? እንታይከ ትሰርሕ? ከምቲ ‘ክበልዑ ኻብ ሰማይ እንጀራ ሃቦም’ ዝብል ተፅሒፉ ዘሎ፥ ኣቦታትና ኣብ በረኻ መና በልዑ” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ነቲ ናይ ሓቂ እንጀራ ኻብ ሰማይ፥ ኣቦይ እዩ ዝሃበኩም እምበር፥ ነቲ እንጀራ እቱይ ካብ ሰማይ ዝሃበኩም ሙሴ ኸም ዘይኮነስ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም። ሽዑ ንሳቶም “ጐይታ! ኻብዝ እንጀራ እዙይ ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ። ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም እዩ፤ ርኢኹምኒ ግና ኣይኣመንኩምንን። ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ። ኣነ ኻብ ሰማይ ዝወረድኩ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን። ካብቶም ኵሎም ንሱ ዝሃበኒ፥ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦም እየ እምበር፥ ሓደኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ እዙይ ድማ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ እዩ። ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።” ስለዙይ ድማ ኣይሁድ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ” ስለ ዝበሎም ብእኡ ኣጕረምረሙ። “እዙይስ እቲ ኣቦኡን እኖኡን ንሕና እንፈልጦም፥ ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን? ከመይ ኢሉ ደኣ ‘ካብ ሰማይ ወሪደ’ ይብል?” በሉ። ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ። ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያትውን ‘ኵሎም ካብ እግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ እምበኣር ኵሉ እቲ ኻብ ኣብ፥ ዝሰምዐን ዝተምሃረን ናባይ ይመፅእ። እንትርፊ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣብ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ ንሱ እዩ ንኣብ ዝረአዮ። እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘለዎ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ መና በልዑ እንተ ኾነ ግና ሞቱ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ እዙይ እዩ፤ ካብኡ ዝበልዐ ድማ ኣይመውትን። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።” ሽዑ ኣይሁድ “እዙይስ ስጋኡ ኽንበልዕ፥ ከመይ ገይሩ ኽህበና ይኽእል?” እናበሉ ንስንሳቶም ተኻትዑ። ስለዙይ ድማ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኹም፥ ደሙውን እንተ ዘይሰቲኹምስ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብልኩም፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ። ስጋይ ናይ ብሓቂ ምግቢ እዩ፤ ደመይውን ናይ ብሓቂ መስተ እዩ እሞ። እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ኣባይ ይነብር፤ ኣነውን ኣብኡ እነብር። እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ኣነውን ብኣብ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ስጋይ ዝበልዕ፥ ብኣይ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ፥ እዙይ እዩ፤ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ መና እሞ ዝሞቱ ኣይኮነን፤ ነዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ ግና፥ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።” ኢየሱስ ነዝ ዅሉ ዝተዛረቦ፥ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም “እዝ ዘረባ እዙይስ፥ ከቢድ እዩ፤ መን ክቕበሎ ይኽእል?” በሉ። ኢየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዙይ ከም ዘጕረምረሙ ብመንፈሱ ፈሊጡ “እዙይዶ የዐንቅፈኩም? ወዲ ሰብ፥ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ፥ ክዓርግ እንተሎ እንተ እትሪእዎ ደኣ፥ እንታይ ምበልኩም? ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ። ግና ኻባኻትኩም ገሊኣቶም ዘይኣምኑ ኣለዉ” በሎም። ኢየሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየንኦም ምዃኖም፥ እቲ ዘትሕዞውን መን ምዃኑ፥ ካብ መጀመርታ ይፈልጥ ነበረሞ። ኣስዒቡ ኸዓ “ስለዙይ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝተውሃቦ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን ዝበልኩኹም” በሎም። በዝ ነገርዙይውን ካብ ሽዑ ጀሚሮም፥ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመለሱ፤ ምስኡውን ኣይከዱን። ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ? ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢየሱስ ድማ “ንዓሰርተ ኽልቴኹም ዝሓረኹኹምስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ሓደ ኻባኻትኩም ግና ዲያብሎስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። እዙይ ዝበለ ድማ፥ ብዛዕባ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ እዩ፤ ዘትሕዞ ንሱ እዩ እሞ፤ ንሱውን ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ነበረ። ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፥ ናብ ምድሪ ይሁዳ ክኸይድ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኣብ ገሊላ ይመላለስ ነበረ። ሽዑ ናይ ኣይሁድ ናይ ዳስ በዓል ቀሪቡ ነበረ። ኣሕዋቱ ድማ “ደቀ መዛሙርትኻ ነዝ እትገብሮ ምእንቲ ኽሪኡስ ብገሃድ ክፍለጥ እናደለየ ብሕቡእ ዝገብር የለንሞ፥ እዙይ እትገብር እንተ ደኣ ዄንካ፥ ንባዕልኻ ንዓለም ግለፅ” በልዎ። ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩሞ። ኢየሱስ ድማ “ጊዜይ ገና ኣይበፅሐን፤ ጊዜኹም ግና፥ ኵልሻዕ ድልዊ እዩ። ዓለም ንኣኻትኩም ክፀልእ ኣይኽእልን እዩ፤ ንኣይ ግና፥ ግብሩ ኽፉእ ከም ዝኾነ ስለ ዝምስክረሉ ይፀልአኒ እዩ። ንስኻትኩም ናብቲ በዓል ደይቡ፤ ኣነ ግና፥ ጊዜይ ገና ስለ ዘይበፅሐ፥ ናብዝ በዓል እዙይ ኣይድይብን እየ” በሎም። እዙይ ምስ በሎም ኣብ ገሊላ ተረፈ። እቶም ኣሕዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ፥ ንሱ ኸዓ ብገሃድ ዘይኮነስ ብሕቡእ ደየበ። ኣይሁድ ግና በቲ በዓል “ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ብዛዕባኡ ብርቱዕ ምጕርምራም ኮነ፤ ገሊኣቶም “ሕያዋይ እዩ” ገሊኣቶም ድማ “ንህዝቢ እባ ደኣ የስሕት ኣሎ” ይብሉ ነበሩ። ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ ግና፥ ሓደኳ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ ዝተዛረበ ኣይነበረን። ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ከዓ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ኽምህር ጀመረ። ስለዙይ ኣይሁድ “እዙይ እንተይተምሃረ፥ ከመይ ገይሩ እዩ መፃሕፍቲ ዝፈልጥ?” እናበሉ ተገረሙ። ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ትምህርተይስ፥ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፥ ናተይ ኣይኮነን። ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር፥ ካባይ ከም ዘይኮነ ኽፈልጥ ይኽእል እዩ። እቲ ኻብ ርእሱ ዝዛረብ፥ ክብሪ ርእሱ እዩ ዝደሊ፤ እቲ ናይቲ ዝለኣኾ ኽብሪ ዝደሊ ግና፥ ንሱ ሓቀኛ እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ዓመፅ የለን። ሙሴዶ ሕጊ ሂቡኩም ኣይነበረን? ካባኻትኩም ግና፥ ሓደኳ ነቲ ሕጊ ዝፍፅሞ የለን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም?” እቶም ህዝቢ ኸዓ “ጋኔን ኣለካ፤ መን እዩ ኽቐትለካ ዝደሊ?” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ ግብሪ ገበርኩ፤ ንዅልኻትኩም ድማ ኣገረመኩም። ስለዙይ ሙሴ ግርዘት ሰርዐልኩም፤ እዙይ ድማ ኻብ ኣቦታት እዩ እምበር፥ ካብ ሙሴ ኣይነበረን፤ ንሰብውን ብሰንበት ትገርዝዎ። እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይጠሓስ፥ ሰብ ብሰንበት ዝግረዝ ካብ ኮነ፥ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕወኹዎ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ትነቕፉኒ? ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፥ ገፅ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።” ሓድሓደ ኻብ ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ “እቲ ኽቐትልዎ ዝደልዩስ እዙይዶ ኣይኮነን? እንሆ ንሱ ብገሃድ ይዛረብ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ገለ እኳ ኣይበልዎን፤ እዞም ኣሕሉቕ፥ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብሓቂ ፈሊጦም ደኾን ኮይኖም? ግና እዝ ሰብኣይ እዙይ ካበይ ከም ዝኾነ ንፈልጦ ኢና፤ ክርስቶስ ክመፅእ እንተሎ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ ሓደኳ የለን” በሉ። ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር እንተሎ ዓው ኢሉ “ንኣይ ትፈልጡኒ ኢኹም፤ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣነ ብባዕለይ ኣይመፃእኹን፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ኣነ ግና ኻብኡ እየ፤ ንሱ ስለ ዝለኣኸኒ እውን እፈልጦ እየ” በለ። ስለዙይ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ኣይሓዞን። ካብቶም ህዝቢ ኸዓ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ “ክርስቶስ ምስ መፀኸ፥ ካብዝ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራት ዝበዝሕዶ ኽገብር እዩ?” በሉ። ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ፥ ከምዙይ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ምስ ሰምዑ፥ ምስ ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ክሕዝዎ ሓሻኽሮም ለኣኹ። ሽዑ ኢየሱስ “ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ፤ ድሕሪዙይ ናብቲ ዝለኣኸኒ ክኸይድ እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተ ኾነ ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። ስለዙይ ኣይሁድ “ንሕና ኽንረኽቦ ናብ ዘይንኽእል፥ ንሱ ናበይ ኮን ክኸይድ ኢሉ? ናብቶም ኣብ ሃገር ግሪክ ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ክምህር ዶኾን ክኸይድ ኮይኑ? ‘ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ግና ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝብለና ዘሎኸ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ። እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ከምቲ መፅሓፍ ዝበሎ፥ ‘ካብ ውሽጡ ማይ ህይወት ክፍልፍል እዩ’ ” እናበለ ተዛረበ። እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፤ ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረሞ። ካልኦት ከዓ “ክርስቶስ እዩ” በሉ። ገሊኣቶም ግና “ክርስቶስ ካብ ገሊላ ድዩ ዝመፅእ? ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ካብታ ዳዊት ዝነበረላ ዓዲ፥ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዝመፅእ፥ መፅሓፍዶ ኣይነግርን እዩ?” በሉ። ስለዙይ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ንስንሳቶም ተፈላለዩ። ገሊኣቶም ክሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ኽሕዞ ኢዱ ዘልዓለሉ ሓደ እኳ ኣይነበረን። እቶም ሓሻኽር ናብ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተመለሱ፤ ንሳቶም ድማ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘየምፃእኹምዎ?” በልዎም። እቶም ሓሻኽር ከዓ “ከምዝ ሰብኣይ እዙይ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የለን” ኢሎም መለሱ። ፈሪሳውያን ድማ “ንስኻትኩምውንዶ ትጋገዩ ኣለኹም? ብዘይ እዞም ሕጊ ዘይፈልጡ ግጉያት ህዝቢ፥ ካብ ኣሕሉቕ ወይ ካብ ፈሪሳውያን፥ ብእኡ ዝኣመኑዶ ኣለዉ እዮም? እዝ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝቢ ግና ዝተረግመ እዩ” ኢሎም መለሱሎም። ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ ከይዱ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፥ “ሕግና፥ ንሰብ ቅድም እንተይሰምዖን፥ እቲ ዝገበሮ እንተይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ? መፅሓፍ መርምር እሞ፥ ካብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትስእ ክትርኢ ኢኻ” ኢሎም መለሱሉ። ኵሎም ድማ ነናብ ገዛኦም ከዱ። ኢየሱስውን ናብ ደብረ ዘይት ኸደ። ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ፥ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ተመሊሱ መፀ። ኵሉ ህዝቢ እውን ናብኡ ተኣከበ፤ ተቐሚጡ ድማ ይምህሮም ነበረ። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እንትትዝሙ ዝተረኽበት ሰበይቲ፥ ናብኡ ኣምፂኦም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም፥ “መምህር፥ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ እንተላ ተትሒዛ፤ ከምዚኣ ዝበለት ከዓ፥ ብእምኒ ተቐጥቂጣ ኽትቅተል፥ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙ እዩ፤ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል?” በልዎ። እዙይ ኢሎም ዝፈተንዎ፥ ምኽንያት መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ ኢሎም እዮም። ኢየሱስ ግና ድንን ኢሉ፥ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ኽፅሕፍ ጀመረ። ደጋጊሞም ምስ ጠየቕዎ ኸዓ፥ ቅንዕ ኢሉ “ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ኣቐዲሙ ብእምኒ ይውቀዓያ” በሎም። መሊሱውን ደኒኑ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ፀሓፈ። ንሳቶም ግና እዙይ ምስ ሰምዑ ሕሊናኦም ወቒስዎም፥ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕረዎት ኵሎም በብሓደ ወፁ። ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ እታ ሰበይቲውን ኣብ ማእኸል ደው ኢላ ነበረት። ኢየሱስ ከዓ ቕንዕ ኢሉ ንሳ ኸዓ “ሓደኳ የለን፥ ጐይታይ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፤ ኪዲ እሞ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ” በላ። ፈሪሳውያን ከዓ “ንስኻ ንባዕልኻ ትምስክር ኣለኻ፤ ስለዙይ ምስክርነትካ ሓቂ ኣይኮነን” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንባዕለይ እኳ እንተ መስከርኩ፥ ካበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ እፈልጥ እየ እሞ፥ ምስክርነተይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ኻበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንስኻትኩም ስጋዊ ፍርዲ ኢኹም እትፈርዱ ዘለኹም፤ ኣነ ግና ንሓደኳ ኣይፈርድን እየ። ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣብን ኢና እምበር፥ በይነይ ኣይኮንኩን እሞ፥ ኣነ እንተ ፈረድኩ ፍርደይ ሓቂ እዩ። ምስክር ክልተ ሰብ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ሕግኹም ተፅሒፉ እዩ። ኣነ ንባዕለይ ምስክር እየ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ኣብውን ምስክረይ እዩ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ንኣይ ኮነ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ንኣይ እንተ እትፈልጡንስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኣይሁድ “‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ምባሉስ፥ ንባዕሉ ደኾን ባዕሉ ኽቐትል ደልዩ?” በሉ። ኢየሱስ ድማ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፤ ኣነ ግና ኻብ ላዕሊ እየ፤ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፤ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮንኩን። ስለዙይ ከዓ እየ፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም ዝበልኩኹም። ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣሚንኩም፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ንሳቶም “ንስኻ መን ኢኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቲ ኻብ መጀመርታ ሒዘ ዝነገርኩኹም እየ። ብዛዕባኻትኹም ብዙሕ ዝዛረቦን ዝፈርዶን ኣለኒ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ኣነውን ነቲ ኻብኡ ዝሰማዕኽዎ፥ ንዓለም እነግር ኣለኹ” በሎም። ንሳቶም ግና ብዛዕባ ኣብ፥ ከም ዝተዛረቦም ኣይፈለጡን። ስለዙይ ኢየሱስ “ንወዲ ሰብ ልዕል ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፥ እቲ ዝለኣኸኒ ምሳይ ኣሎ፤ ኵልሻዕ ደስ ዘብሎ ስለ ዝገብር ድማ፥ ኣብ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በሎም። ንሱ ነዙይ ምስ ተዛረበ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፤ ንዝኾነ ባሮት ኴንና ኣይንፈልጥን። ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ሓራ ኽትወፁ ኢኹም ትብለና ዘለኻ?” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ንሱ ናይ ሓጢኣት ባርያ እዩ። ባርያ ኣብ ቤት ንዅልሻዕ ኣይነብርን እዩ። ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ኣብኡ ነባሪ እዩ። ወልድ ሓራ እንተ ኣውፂኡኩም፥ ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም። ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምስ እፈልጥ እየ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይሓደረ ግና፥ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። ኣነ ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝረአኽዎ እዛረብ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ከዓ ነቲ ኻብ ኣቦኻትኩም ዝረአኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንኣናስ ኣቦና ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ እትኾኑስ፥ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። ሕዚ ግና ካብ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኽዎ ሓቂ ንዝነግረኩም፥ ነኣይ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም፤ ኣብርሃምስ ከምዙይ ኣይገበረን። ንስኻትኩም ግና ግብሪ ኣቦኻትኩም ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕናስ ብዝሙት ዝተወለድና ኣይኮንናን። ሓደ ኣቦ ኣለና፤ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ኻብ እግዚኣብሄር እየ ዝወፃእኹን ዝመፃእኹን፤ ንሱ ልኢኹኒ እምበር፥ ባዕለይ ኣይመፃእኹን፤ ስለዙይ ኣቦኻትኩም እግዚኣብሄር እንተ ዝኸውንስ፥ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ስለ ምንታይ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ? ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይከኣልኩም እዩ። ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ። ኣነ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ግና ኣይትኣምኑንን። ካባኻትኩም፥ ብዛዕባ ሓጢኣት ክወቕሰኒ ዝኽእልከ መን ኣሎ? ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለ ምንታይ ዘይትኣምኑኒ? እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ ዝሰምዕ። ንስኻትኩም ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኮንኩም ኣይትሰምዑን።” ሽዑ ኢየሱስ “ኣነስ ነቦይ ደኣ ኣኽብሮ ኣለኹ እምበር፥ ጋኔንስ የብለይን። ንስኻትኩም ግና ተቃልሉኒ ኣለኹም። ኣነ ኽብሪ ርእሰይ ኣይደልን እየ፤ እቲ ዝደልን ዝፈርድን ግና ኣሎ። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ፈፂሙ ኣይመውትን” በሎም። ኣይሁድ ድማ “ሕዝስ ጋኔን ከም ዘለካ ፈሊጥና፤ ኣብርሃም እኳ ሞይቱ፤ ነቢያትውን ሞይቶም፤ ንስኻ ግና ‘ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ኣይመውትን’ ትብል ኣለኻ። ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ፥ ንስኻ ትዓቢ ኢኻ? ነቢያትውን ሞይቶም እዮም፤ ንባዕልኻ መን እየ ትብል ኣለኻ?” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ንባዕለይ እንተ ኣኽበርኩ ኽብረተይ ከንቱ እዩ፤ ዘኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፤ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ በልኩ ከዓ፥ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምኾንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፥ ቃሉውን እሕሉ እየ። ኣቦኻትኩም ኣብርሃም፥ መዓልተይ ክርኢ ተሓጐሰ፤ ኣይሁድ ድማ “ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፥ ንኣብርሃም ሪአዮ ትብል ኣለኻ?” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብርሃም እንተይተወለደ ‘ኣነ ነይረ እየ’ ” በሎም። ሽዑ ኽወቕዕዎ እምኒ ኣልዓሉ፤ ኢየሱስ ግና ተሰወረ። ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡውን ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ። ኢየሱስ ብመንገዲ ኽሓልፍ እንተሎ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ ሓደ ሰብ ረአየ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ “መምህር፥ እዝ ሰብ እዙይ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ፥ ብናይ መን ሓጢኣት እዩ? ብናይ ባዕሉ ድዩ ወይ ብናይ ወለዱ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ግብሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ምእንቲ ኽግለፅ ደኣ እምበር፥ ብናይ ባዕሉ ወይ ብናይ ወለዱ ሓጢኣት ኣይኮነን። ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ። ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ።” እዙይ ኢሉ ናብ ምድሪ እንትፍ በለ፤ በቲ ምራቑውን ፀብሪ ገበረ፤ በቲ ፀብሪ ኸዓ፥ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ቀብአ እሞ፥ “ኬድካ ኣብ ቃላይ ሰሊሆም ተሓፀብ” በሎ። ሰሊሆም ማለት “ዝተልኣኸ” ማለት እዩ። ንሱውን ከይዱ ተሓፀበ እሞ፥ እናረአየ ተመለሰ። እቶም ጐረባብቱን እቶም ቅድም እንትልምን ዝሪእዎ ዝነበሩን “እዙይ ደኣ እቲ ኣብ መንገዲ ተቐሚጡ ዝልምን ዝነበረዶ ኣይኮነን?” በሉ። ገሊኣቶም “ንሱ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “ንእኡ ደኣ እዩ ዝመስል እምበር፥ ንሱ ኣይኮነን” በሉ፤ ንሱ ግና “ኣነ እየ” በለ። ስለዙይ ንሳቶም “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፈታ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኢየሱስ ዝበሃል ሰብ ፀብሪ ገይሩ ንሳቶም ከዓ “እቲ ሰብኣይ እቱይከ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ፤ ንሱ ድማ “ኣይፈልጥን” በሎም። ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። እታ ኢየሱስ ፀብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ኸዓ፥ ሰንበት ነበረት። ስለዙይ ፈሪሳውያን ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ መሊሶም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ “ፀብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፤ ተሓፀብኩ እሞ ረአኹ” በሎም። ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ሰንበት ስለ ዘየኽብር ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን” በሉ፤ ካልኦት ድማ “ሓጢኣተኛ ሰብ ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸምዙይ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል?” በሉ። ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ምፍልላይ ኮነ። ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር “ንስኻኸ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፥ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል?” በልዎ፤ ንሱ ድማ “ነቢይ እዩ” በሎም። እቶም ኣይሁድ ግና፥ ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ክሳዕ ዝፅውዑ፥ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን ነበሩ። ስለዙይ “እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዙይ ድዩ? ሕዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸኣለ?” ኢሎም ጠየቕዎም። እቶም ወለዱ ድማ “እዙይ ወድና ኸም ዝኾነን፥ ብዕዉሩ ኸም ዝተወለደን ንፈልጥ። ሕዚ ግና ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸም ዝኸኣለ ኣይንፈልጥን፤ ኣዒንቱውን መን ከም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን፤ ንእኡ ጠይቕዎ፤ ንሱ ዓብዪ እዩ፤ ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ኽዛረብ ይኽእል እዩ” ኢሎም መለሱ። እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ እዮም እዙይ ዝበሉ። ኣይሁድ “ንሱ ክርስቶስ ስለዙይ እዮም እቶም ወለዱ “ንሱ ዓብዪ እዩ እሞ፥ ጠይቕዎ” ዝበሉ። ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ፥ ካልኣይ ጊዜ ፀዊዖም “ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃብ፤ ንሕና እዝ ሰብኣይ እዙይ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ኢና እንፈልጥ” በልዎ። ንሱ ድማ መሊሱ “ኣነስ ሓጥእ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን፤ ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕዚ ግና፥ እርኢ ኸም ዘለኹን፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እንታይከ ገበረልካ? ኸመይ ገይሩኸ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ?” በልዎ። ንሱ ድማ “ቅድሚ ሕዚ ነጊረኩም ኣይሰማዕኹምን፤ ንምንታይ መሊስኩም ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም? ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኮኑ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ ፀረፍዎ “ደቀ መዝሙሩስ ንስኻ ኢኻ፤ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። ንሕናስ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸም ዝተናገሮ ንፈልጥ ኢና፤ እዝ ሰብ እዙይ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን ኢና” በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ “ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዘገርም እዩ፤ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። እግዚኣብሄር፥ ንዝፈርሖን ፍቓዱ ንዝፍፅምን እዩ ዝሰምዕ እምበር፥ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዕዉሩ ንዝተወለደ ሰብ፥ ኣዒንቱ ኸፊቱሉ ዝበሃል ከቶ ኣይተሰምዐን። እዝ ሰብ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኸውን፥ ሓደኳ ኽገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከዓ “ንስኻ ኵለንትናኻ ብሓጢኣት ዝተወለድካ እንተለኻስ ንኣና ኽትምህረና?” ኢሎም ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ። ኢየሱስ ናብ ወፃኢ ኸም ዘውፅእዎ ሰምዐ፤ ምስ ረኸቦ ድማ “ንስኻ ብወዲ እግዚኣብሄርዶ ተኣምን ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ጐይታይ፥ ብእኡ ኽኣምንስ መን እዩ ንሱ?” ኢሉ መለሰ። ኢየሱስ ድማ “ርኢኻዮ ኣለኻ፤ ሕዚ እውን ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ጐይታ፥ እኣምን እየ” ኢሉ ሰገደሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቶም ዘይሪኡ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እቶም ዝሪኡ ኸዓ ምእንቲ ኽዓውሩ፥ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ መፂአ ዘለኹ” በለ። ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ነዙይ ሰሚዖም “ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ዕዉራት እንተ እትኾኑስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ‘ንርኢ ኢና’ ትብሉ ስለ ዘለኹም፥ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብበሪ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ደዪቡ ዝኣቱ፥ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ። እቲ ብበሪ ዝኣቱ ግና፥ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላዊ በሪ ይኸፍተሉ፤ እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፤ ነተን ኣባጊዑ ኸዓ፥ በብስመን ፀዊዑ የውፅአን። ንኹለን ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፅአን ድማ፥ ቀቅድሚአን ይኸይድ፤ እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዝፈልጣ ይስዕባኦ። ነቲ ኻልእ ግና ድምፁ ስለ ዘይፈልጣ፥ ካብኡ ይሃድማ እምበር፥ ኣይስዕባኦን እየን።” ኢየሱስ ነዝ ምስላ እዙይ መሰለሎም፤ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ በሪ ኣባጊዕ ኣነ እየ። እቶም ቅድመይ ዝመፁ ዅላቶም፥ ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፤ ግና እተን ኣባጊዕ ኣይሰምዓኦምን። እቲ በሪ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዝኣቱ ኽድሕን እዩ፤ ክኣቱን ክወፅእን እዩ፤ መውፈሪውን ክረክብ እዩ። እቲ ሰራቒ ግና፥ ክሰርቕን ክቐትልን ከጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመፅእን እዩ፤ ኣነ ግና፥ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡን ኽበዝሐሎምን እየ ዝመፃእኹ። እቲ ጓሳ ዘይኮነ ዕሱብ ግና፥ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና፥ ተዅላ ኽመፅእ እንተ ረአየ፥ ነተን ኣባጊዕ ሓዲጉወን ይሃድም፤ እቲ ተዅላ ድማ፥ ነተን ኣባጊዕ ይምንጥለን ይብትነንውን። ዕሱብ ስለ ዝኾነ ኸዓ ይሃድም፤ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕውን ግዲ የብሉን። ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣብ፥ ነኣይ ከም ዝፈልጠኒ፥ ኣነውን ንኣብ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንነፍሰይ ከዓ ቤዛ እተን ኣባጊዕ ኣሕልፋ። ካብዝ መጓሰ እዙይ ዘይኮና፥ ካልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ድማ ኸምፅአን እየ፤ ቃለይውን ክሰምዓ እየን፤ ሓደ መጓሰውን ክኾና፥ ጓሳአንውን ሓደ ክኸውን እዩ። መሊሰ ንኽወስዳ ንነፍሰይ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ ስለ ዝኾንኩ፥ ኣብ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ፤ ነዝ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።” ሽዑ ኻብኣቶም ብዙሓት “ጋኔን ሒዝዎ እዩ፤ ዓቢዱውን እዩ፤ ንምንታይ ኢኹም እትሰምዕዎ?” በሉ። ካልኦት ግና “እዙይ ጋኔን ናይ ዝሓደሮ ሰብ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት ይኽእል እዩ?” በሉ። ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ህንፃ ቤተ መቕደስ ኮነ፤ ጊዜኡ ኸዓ ኽረምቲ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። ሽዑ ኣይሁድ ከበብዎ እሞ “ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ጥርጥር እተንብረና? ንስኻ ክርስቶስ እንተ ደኣ ዄንካ ኣግሂድካ ንገረና” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ነጊረኩም ኣይኣመንኩምንን፤ ንኣይ ዝምስክረለይ፥ እዝ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት እዩ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም፥ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን። እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ፥ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ካብ ኢድ ኣቦይ ከሕድገን ዝኽእል ሓደኳ የለን። ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ኣይሁድ ክቕጥቅጥዎ መሊሶም እምኒ ኣልዓሉ። ኢየሱስ ድማ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም፥ ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም?” በሎም። ኣይሁድ ከዓ “ብእምኒ እንቕጥቅጠካ፥ ብምፅራፍካን ሰብ እንተለኻ ንባዕልኻ ኣምላኽ ብምግባርካን ኢና እምበር፥ በቲ ፅቡቕ ግብርታትካ ኣይኮነን” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣብ ሕግኹም ‘ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፥ በልኩ’ ዝብል ፅሑፍዶ የለን እዩ? እቲ ፅሑፍ ክሰዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥ ነቲ ኣብ፥ ዝቐደሶ፥ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ‘ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ ስለ ዝበልኩኹም፥ ከመይ ኢልኩም ‘ንእግዚኣብሄር ትፃረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም? ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ። ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣብ፥ ኣባይ ምህላዉ፥ ኣነውን ኣብ ኣብ፥ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክተስተውዕሉን፥ ነቲ ግብረይ እመንዎ” ኢሉ መለሰሎም። መሊሶም ድማ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም ኣምለጠ። ብዙሓት ድማ ናብኡ መፂኦም “ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፤ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዝ ሰብ እዙይ ዝተዛረቦ ግና ሓቂ ኾነ” በሉ። ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓፍታን፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ። እዛ ማርያም እዚኣ እታ ንጐይታ ሽቱ ዝቐብአቶ፥ ብፀጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝሓበሰቶ እያ፤ እቲ ዝሓመመ ኣልኣዛርውን ሓዋ እዩ። እተን ኣሓቱ “ጐይታ፥ እቲ እትፈትዎስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ” ኢለን ናብ ኢየሱስ ለኣኻ። ኢየሱስ እዙይ ሰሚዑ “እዝ ሕማም እዙይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ብእኡ ድማ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር፥ ንሞት ኣይኮነን” በለ። ኢየሱስ ንማርታን ንሓፍታ ማርያምን፥ ንኣልኣዛርን ይፈትዎም ነበረ። ምሕማሙ ምስ ሰምዐ፥ ኣብታ ዝነበራ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ። ድሕሪዙይ ንደቀ መዛሙርቱ “ደጊም ንዑናይ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “መምህር፥ ቅድሚ ቑሩብ መዓልቲ፥ ኣይሁድ ብእምኒ ኽቕጥቅጡኻ ይደልዩ ነይሮምስ፥ መሊስካዶ ናብኡ ክኸይድ ትብል ኣለኻ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ኽልተ ሰዓትዶ ኣይኮነን ዘሎ? እቲ ብመዓልቲ ዝኸይድ ሰብ፥ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝርኢ፥ ኣይዕንቀፍን እዩ። እቲ ብለይቲ ዝኸይድ ግና፥ ኣብኡ ብርሃን ስለ ዘይብሉ ይዕንቀፍ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። እዙይ ምስ ተዛረበ ኣስዒቡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ፤ ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተስኦ ክኸይድ እየ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ “ጐይታ፥ ደቂሱ እንተ ኾይኑስ ክጥዒ እዩ” በልዎ። ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ ዝተዛረበ፤ ንኣኣቶም ግና ብዛዕባ ትኽስታ ድቃስ ዝተዛረበ መሰሎም። ሽዑ ኢየሱስ ብገሃድ “ኣልኣዛር ሞይቱ፤ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ ኣነ ኣብኡ ብዘይምንባረይ፥ ብዛዕባኻትኩም እሕጐስ ኣለኹ፤ ግና ንዑናይ ናብኡ ንኺድ” በሎም። ሽዑ ዲዲሞስ ኢየሱስ ናብ ቢታንያ ምስ መፀ፥ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ድሮ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ። ቢታንያ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ዳርጋ ሰለስተ ኪሎ ሜትር ካብ ኣይሁድ ድማ፥ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ከፀናንዕወን፥ ናብ ማርያምን ማርታን መፂኦም ነበሩ። ማርታ ምምፃእ ኢየሱስ ሰሚዓ፥ ክትቅበሎ ወፀት፤ ማርያም ግና ኣብ ገዛ ተቐሚጣ ነበረት። ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ “ኦ ጐይታ፥ ኣብዙይ ኔርካ እንተ እትኸውንስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ። ሕዚ እውን እቲ ዅሉ ንእግዚኣብሄር እትልምኖ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝህበካ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ሓውኪ ኽትስእ እዩ” በላ። ማርታ ድማ፥ “በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፥ ብትንሳኤ ኸም ዝትስእስ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ። እቲ ዅሉ ህያው ዝኾነ ብኣይ ዝኣምን፥ ንዘለኣለም ኣይመውትን እዩ፤ እዙይዶ ተኣምኒ ኢኺ?” በላ። ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ፤ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመፅእ፥ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንካ እኣምን እየ” በለቶ። እዙይ ኢላ ኸደትሞ፥ ንማርያም ሓፍታ ሕሽዅ ኢላ “መምህር መፂኡ፤ ይፅውዐኪውን ኣሎ” በለታ። ንሳ ኸዓ እዙይ ምስ ሰምዐት፥ ቀልጢፋ ተሲኣ ናብኡ ኸደት። ኢየሱስ ኣብታ ማርታ ዝተቐበለቶ ስፍራ ፀንሐ እምበር፥ ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ። እቶም ከፀናንዕዋ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፥ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውፃኣን ሪኦም፥ ናብ መቓብር ከይዳ ኽትበኪ ዝደለየት መሲልዎም ተኸተልዋ። ማርያም ግና ናብታ ኢየሱስ ዝነበራ ስፍራ መፂኣ ምስ ረአየቶ፥ ኣብ እግሩ ተደፊኣ “ጐይታይ፥ ኣብዙይ እንተ እትነብርስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። ሽዑ ኢየሱስ ንሳ ኽትበኪ እንተላ፥ እቶም ምስኣ ዝመፁ ኣይሁድውን እናበኸዩ እንተለዉ ሪኡ፥ ብመንፈሱ የመና ሓዚኑ፥ “ኣበይ ቀቢርኩምዎ?” በለ፤ ንሳቶም ከዓ “ጐይታ፥ ነዓ ረአ” በልዎ። ኢየሱስ ድማ ነብዐ። ሽዑ ኣይሁድ “ክንደይ ይፈትዎ ኸም ዝነበረ እስኪ ረአዩ!” በሉ። ገሊኣቶም ግና “እዝ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፥ ነዙይውን ከም ዘይመውት ክገብሮዶ ኣይምኸኣለን ነይሩ?” በሉ። ሽዑ ኢየሱስ ብልቡ ሓዚኑ፥ ናብቲ መቓብር መፀ፤ እቲ መቓብር ከዓ፥ ብእምኒ ዝተዓፀወ በዓቲ ነበረ። ኢየሱስ “ነዝ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም፤ ሓፍቲ እቲ ምዉት ማርታ ድማ፥ “ጐይታ፥ ካብ ዝመውት ኢየሱስ ድማ “እንተ ኣሚንክስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርኢ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን?” በላ። ብድሕሪዙይ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ኢየሱስ ከዓ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕኻኒ አመስግነካ ኣለኹ። እዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፥ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኽኣምኑ ደኣ እየ፥ እዙይ ዝበልኩ እምበር፥ ኣነስ ኵልሻዕ ከም እትሰምዐኒ እፈልጥ እየ” በለ። እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ኣልኣዛር፥ ነዓ ናብ ደገ ውፃእ!” በለ። እቲ ምዉት ብግኑዙ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ፥ ገፁውን ብዓለባ ተሸፊኑ እንተሎ ወፀ። ኢየሱስ ድማ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም። ገሊኣቶም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፥ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ ጉባኤ ኣኪቦም “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፥ እንታይ ንግበር? ከምዙይ እንተ ሓዲግናዮ፥ ኵሉ ብእኡ ኽኣምን እዩ፤ ሮማውያን ድማ መፂኦም፥ ምድርናን ህዝብናን ክወስዱ እዮም” በሉ። ሓደ ኻብኣቶም ቀያፋ ዝስሙ፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ፥ “ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዝጠፍእስ፥ ሓደ ሰብ ቤዛ ህዝቢ እንተ ሞተ፥ ከም ዝሕሸናዶ ኸቶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም?” በሎም። እዙይ ዝበለ ግና፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ ቤዛ ህዝቢ ኽመውት ከም ዘለዎ ተነበየ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን። ነቶም ዝተበተኑ ደቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓደ ኽእክቦምውን እምበር፥ ቤዛ ህዝቢ ጥራሕ ክመውት ኣይኮነን። ስለዙይ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ክቐትልዎ ተማኸሩ። ብድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ ብገሃድ ምምልላስ ሓደገ፤ ስለዙይ ድማ፥ ጥቓ ምድረ በዳ ናብ ዘላ ምድሪ፥ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ። ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ፥ ቅድሚ በዓል ፋሲካ ርእሶም ከንፅሁ፥ ከካብ ዓዱ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ። ሽዑ ኣይሁድ ንኢየሱስ ይደልይዎ ነበሩ፤ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንስንሳቶም “እንታይ ይመስለኩም? ናብዝ በዓል ደኾን ኣይመፅእን?” ተበሃሃሉ። እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ፥ ምእንቲ ኽሕዝዎ፥ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈልጥ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ክሕብረሎም ኣዘዙ። ኣብኣ ኸዓ ድራር ገበሩሉ፤ ማርታውን ተገልግል ነበረት፤ ካብቶም ምስኡ ዝተቐመጡ ሓደ ኣልኣዛር ነበረ። ማርያም ድማ ፍርቂ ሊትሮ ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኸትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ “እዝ ምዑዝ ሽቱ እዙይ፥ ብሰለስተ ሚእቲ ዲናር ተሸይጡ፥ ንምንታይ ንድኻታት ዘይምተውሃበ ነይሩ?” በለ። እዙይ ዝበለ ድማ፥ ሰራቒ ስለ ዝኾነ እዩ እምበር፥ ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኮነን፤ ተሓዚ ሙዳየ ምፅዋት ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ስለ ዝነበረ እዩ። ስለዙይ ኢየሱስ “ንመዓልቲ ቐብረይ ዘዳለወቶ እዩ እሞ ሕደጉዋ። ድኻታትስ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ድሕሪዙይ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰባት፥ ኢየሱስ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም፥ ናብ ቢታንያ መፁ። እንተ ኾነ ነቲ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ ኣልኣዛርውን ክሪኡ እምበር፥ ምእንቲ ኢየሱስ ጥራሕ ኢሎም ኣይኮኑን ዝመፁ። ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ፥ ብኢየሱስ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሊቃነ ካህናት ንኣልኣዛር ክቐትልዎ ተማኸሩ። ብፅባሒቱ እቶም ንበዓል ዝመፁ ብዙሓት ህዝቢ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፅእ ሰሚዖም፥ ጨናፍር ስየ ሒዞም ክቕበልዎ ወፁ። ዓው ኢሎም ከዓ “ሆሳዕና! እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ፥ ንጉስ እስራኤል ቡሩኽ እዩ!” በሉ። ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ገልገል ኣድጊ ረኺቡ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ደቀ መዛሙርቱ፥ ነዝ ነገር እዙይ ቅድም ኣየስተውዓልዎን። ኢየሱስ ምስ ከበረ ግና፥ ነዝ ነገር እዙይ ብዛዕባኡ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ንሳቶምውን እዙይ ከም ዝገበሩሉ ዘከሩ። እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ፀዊዑ፥ ካብ ምዉታን ከተስኦ እንተሎ፥ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ይምስክሩሉ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ድማ፥ እዝ ተኣምራት እዙይ ከም ዝገበረ ስለ ዝሰምዑ እዮም፥ ክቕበልዎ ዝወፁ። ሽዑ ፈሪሳውያን ንስንሳቶም “ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ፥ ከም ዘይትኽእሉ ትሪኡዶ ኣለኹም? እንሆ ዅሉ ዓለም ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተበሃሃሉ። ካብቶም በቲ በዓል ክሰግዱ ዝደየቡ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ግሪካውያን ነበሩ። ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፥ በዓል ቤተ ሳይዳ ናይ ገሊላ መፂኦም፥ “ጐይታ፥ ንኢየሱስ ክንሪኦ ንደሊ ኣለና” ኢሎም ለመንዎ። ፊልጶስ ድማ ኸይዱ ንእንድርያስ ነገሮ፤ እንድርያስን ፊልጶስን ድማ፥ ከይዶም ንኢየሱስ ነገርዎ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ወዲ ሰብ ዝኸብረላ ሰዓት በፂሓ እያ። ፍረ ስርናይ፥ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት፥ በይና እያ እትነብር፤ እንተ ሞይታ ግና፥ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ንነፍሱ ዝፈትዋ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፀልኣ ግና፥ ንህይወት ዘለኣለም ክሕልዋ እዩ። እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ። ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ” ሽዑ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፥ እዙይ ምስ ሰምዑ “ነጐድጓድ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “መልኣኽ እዩ ዝተዛረቦ” በሉ። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዝ ድምፂ እዙይ ምእንታኻትኩም እምበር፥ ምእንታይ ኣይኮነን ዝመፀ። እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ። ኣነ ድማ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፥ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።” እዙይ ዝበለ ኸዓ፥ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ክመውት ከም ዘለዎ እንተመልክት እዩ። ስለዙይ እቶም ህዝቢ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ካብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ‘ወዲ ሰብ ግድን ልዕል ክብል እዩ’ ትብል ዘለኻ? እቲ ወዲ ሰብ እቱይከ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ሽዑ ኢየሱስ “ገና ንቑሩብ መዓልቲ፥ ብርሃን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ስለዙይ ፀልማት እንተየርከበኩም፥ ብብርሃን ተመላለሱ፤ እቲ ብፀልማት ዝመላለስ፥ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብርሃን እንተለኩም ብብርሃን እመኑ” በሎም። ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ምስ ተዛረበ፥ ካብኣቶም ከይዱ ተሰወሮም። ከምኡ ድማ ኢሳይያስ ደጊሙ “በዒንቶም ከይሪኡ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ እሞ፥ ናባይ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከይምሕሮምስ፥ ኣዒንቶም ኣዕወረ፤ ልቦምውን ኣትረረ” ኸም ዝበሎ ምእማን ሰኣኑ። ምስዙይ ኵሉ፥ ካብ ኣሕሉቕ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ፤ እንተ ኾነ ፈሪሳውያን፥ ካብ ቤተ ፀሎቶም ከየባርርዎም ስለ ዝፈርሑ፥ እምነቶም ኣየግሃዱን። እዙይ ከዓ፥ ካብ ክብሪ እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ሰብ ስለ ዝመረፁ እዩ። እቲ ንኣይ ዝረአየ፥ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርኢ። እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ኣብ ፀልማት ምእንቲ ኸይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ፥ ናብ ዓለም መፂአ ኣለኹ። እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝፈርዶ፤ ኣነ ዝመፃእኹ፥ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኣይመፃእኹንሞ። ነቲ ነኣይ ዘይደሊ፥ ንቓለይውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣለዎ፤ እዝ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፥ ንሱ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ። እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እምበር፥ ኣነ ኻብ ባዕለይ ኣይተዛረብኩን። እቲ ትእዛዙ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ፤ ስለዙይ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ኸምቲ ኣብ፥ ዝነገረኒ ገይረ እየ ዝዛረቦ ዘለኹ።” እናተደረሩ እንተለዉ ድማ፥ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ከትሕዝ፥ ኣብ ልቢ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፥ ሓሳብ ኣሕዲሩ ነበረ። ኢየሱስ፥ ኣብ፥ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀ፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ከም ዝኸይድ ፈሊጡ፥ ካብ ድራር ተሲኡ፥ ክዳውንቱ ኣንበረ፤ ዕጣቕ ኣልዒሉውን ተዓጠቐ። ሽዑ ማይ ናብ መሕፀቢ ገይሩ፥ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓፅብን፥ በቲ ዝተዓጠቖ ዕጣቕ ገይሩ ኽውልውልን ጀመረ። ናብ ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ በፅሐ፤ ንሱ ድማ “ጐይታ፥ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሓፅበኒ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ነዝ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ፥ ንስኻ ሕዚ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ። ጴጥሮስ ከዓ “ብፍፁም ኣእጋረይ ኣይትሓፅበንን ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እንተ ዘይሓፂበካስ፥ ምሳይ ክፍሊ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ጐይታ፥ እምበኣር ኣእጋረይ ጥራሕ ኣይኮነን፥ ኣእዳወይን ርእሰይንውን እምበር” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “እቲ ዝተሓፅበ፥ ኵለንትናኡ ንፁህ እዩ እሞ፥ እንትርፊ ኣእጋሩ፥ ምሕፃብ ኣየድልዮን፤ ንስኻትኩም ከዓ ንፁሃት ኢኹም፤ ግና ዅልኻትኩም ኣይኮንኩምን” በለ። ኢየሱስ “ኵልኻትኩም ንፁሃት ኣይኮንኩምን” ዝበለ፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ፥ መን ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣእጋሮም ምስ ሓፀቦም ድማ፥ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፥ መሊሱ ምስኣቶም ተቐመጠ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እዝ ዝገበርኩልኩምስ፥ ኣስተውዒልኩምዎዶ ኣለኹም? ንስኻትኩም ‘መምህርን ጐይታን’ ኢልኩም ትፅውዑኒ፤ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ፅቡቕ በልኩም። እምበኣር ኣነ ጐይታኹምን መምህርኩምን እንተለኹ፥ ኣእጋርኩም ካብ ሓፀብኩ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ኣእጋር ብፆትኩም ክትሓፅቡ ይግብአኩም እዩ። ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርክዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ፥ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ። ሓሽከር ካብ ጐይታኡ፥ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኸም ዘይበልፅ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም። እዙይ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣነ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ፤ ግና ‘እቲ እንጀራይ ዝበልዕ፥ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዓለ’ እቲ ነገር ምስ ኮነ፥ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ እቲ ነገር እንተይኮነ፥ ካብ ሕዚ እነግረኩም ኣለኹ። ነቲ ኣነ ዝለኣኽክዎ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ኸም ዝቕበል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ብዛዕባ መን ከም ዝተዛረበ ስለ ዘይፈለጡ፥ ንስንሳቶም ተጠማመቱ። ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ፥ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ተቐሚጡ ነበረ። ስምኦን ጴጥሮስ “ንእኡ ብዛዕባ መን እዩ ዝዛረብ ዘሎ፥ እስኪ ጠይቆ? ኢሉ ጠቐሶ።” ንሱ ኸዓ ናብ ኢየሱስ ፅግዕ ኢሉ “ጐይታ፥ መን እዩ ንሱ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ “እቲ ኣነ ቝራስ እንጀራ ፀቢሐ ዝህቦ፥ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰ፤ ሽዑ ድማ ቝራስ እንጀራ ፀቢሑ፥ ንይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ ሃቦ። ድሕሪ እታ ቝራስ እንጀራ ኸዓ፥ ሰይጣን ኣብ ይሁዳ ሓደረ። ሽዑ ኢየሱስ “ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ” በሎ። እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ግና፥ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ ኣይፈለጡን። ንገሊኣቶም ግና፥ ሙዳየ ምፅዋት ምስ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ “ንበዓል ዘድልየና ዓድግ” ወይ ከዓ “ንድኻታት ሃብ” ዝበሎ መሲልዎም ነበረ። ይሁዳውን ነታ ቝራስ እንጀራ ምስ ተቐበለ፥ ሽዑ ንሽዑ ወፀ፤ ለይቲ እውን ነበረ። እግዚኣብሄር ብእኡ ኻብ ከበረ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንእኡ ባዕሉ ከኽብሮ እዩ፤ ቀልጢፉውን ከኽብሮ እዩ። ደቀይ፥ ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ከምቲ ንኣይሁድ ‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝበልክዎም፥ ንኣኻትኩምውን ሕዚ እብለኩም ኣለኹ። ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንስንሳትኩም ፍቕሪ እንተ ሃልዩኩም፥ ደቀ መዛሙርተይ ከም ዝኾንኩም፥ በዙይ ኵሉ ኽፈልጥ እዩ።” ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ፥ “ጐይታ፥ ናበይ ክትከይድ ኢኻ?” በሎ፤ ኢየሱስ ድማ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻ ሕዚ ኽትክተለኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትክተለኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ጴጥሮስ ከዓ “ጐይታ፥ ስለ ምንታይ እየ፥ ሕዚ ክኽተለካ ዘይክእል? ህይወተይ እንተ ኾነውን፥ ቤዛኻ ኣሕሊፈ ኽህብ እየ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ንህይወትካ ቤዛይ ክተሕልፋ ዲኻ? ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ጊዜ ኸም እትኽሕደኒ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ኣብ እንዳ ኣቦይ፥ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ፤ እንተ ዘይህሉስ፥ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ኣይምበልኩኹምን ነይረ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ ኢኹም፤ መንገዱውን ትፈልጥዎ ቶማስ ከዓ “ጐይታ፥ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ነቲ መንገዲ ደኣ፥ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን። ንኣይ ፈሊጥኩምኒ እንተ እትኾኑስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፤ ካብ ሕዚ ግና፥ ፈሊጥኩምዎን ርኢኹምዎን ኣለኹም።” ፊልጶስ ከዓ “ጐይታ፥ ንኣብ ደኣ ኣርእየና እምበር፥ ይኣኽለና” በሎ። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “ፊልጶስ፥ እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጊዜ፥ ምሳኻትኩም ክነብር እንተለኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ? እቲ ነኣይ ዝረአየ፥ ንኣብ ረአየ፤ ከመይ ኢልካ ደኣ ‘ንኣብ ኣርእየና’ ትብል ኣለኻ? ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘለኹ፥ ኣብውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ? እቲ ኣባይ ዘሎ ኣብ፥ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር፥ እዝ ነኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ካብ ባዕለይ ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፥ ኣብውን ኣባይ ምህላዉ እመኑ፤ እንተ ዘይኮነ ስለ እቲ ግብርታት ኣነ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ እቲ ኣነ ዝገብሮ ግብርታት ከም ዝገብር፥ ካብዙይ ዝዓቢውን ከም ዝገብር፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ፥ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርስ፥ ኵሉ ብስመይ እትልምንዎ ኽገብረልኩም እየ። ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ድማ ኽገብረልኩም እየ። ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር፥ ካልእ መፀናንዒ ኽህበኩም እዩ። ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም። “ኣነ ደኽታማት ክትኮኑ ኣይሓድገኩምን እየ፤ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ። ደጊም ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ዓለም ኣይሪአንን እዩ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ክትሪኡኒ ኢኹም፤ ከምቲ ኣነ ህያው ዝኾንኩ፥ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ኣብ ኣቦይ፥ እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ፥ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ፥ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ፤ ኣነውን ከፍቅሮ እየ፤ ርእሰይ ከዓ ኽገልፀሉ እየ።” እቲ ኣስቆሮታዊ ዘይኮነ ይሁዳ ድማ፥ “ጐይታ፥ እቲ ንዓለም ዘይኮነ፥ ንኣና ንባዕልኻ እትገልፀሉ ኸመይ እዩ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና፥ ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ፤ እዝ እትሰምዕዎ ዘለኹም ቃል ከዓ፥ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣብ እዩ እምበር፥ ናተይ ኣይኮነን። “ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እዝ ነገራት እዙይ ነገርኩኹም። እቲ ኣብ፥ ብስመይ ዝሰዶ መፀናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ዅሉ ኽምህረኩም፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዝነገርኩኹምውን ከዘክረኩም እዩ። ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን። ‘ኣነ ክኸይድ እየ፤ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ’ ዝበልኩኹም፥ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ እንተ እትፈትዉንስ፥ ናብ ኣብ፥ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ኔርኩም፤ ኣብ፥ ካባይ ይዓቢ እዩ እሞ። እቲ ነገር ምስ ኮነ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ እንተይኮነ ሕዚ ነጊረኩም ኣለኹ። ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ይመፅእ ስለ ዘሎ፥ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ፤ ንሱ ኣባይ ሓንቲ ስልጣን የብሉን፤ እንተ ኾነ፥ ኣነ ንኣብ ከም ዘፍቅሮ፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ከምቲ ኣብ ዝኣዘዘኒ እገብር ኣለኹ፤ ተስኡ ኻብዙይ ንኺድ። “ኣነ፥ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ። ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ። ንስኻትኩም፥ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፥ ድሮ ንፁሃት ኢኹም። ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነይሩ፥ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል፥ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይኔርኩም፥ ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ። ኵሉ ኣባይ ዘይነብር፥ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርቢዩ ይነቅፅ፤ ኣኪቦም ድማ፥ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም። “ከምቲ ኣብ ዘፍቀረኒ፥ ኣነውን ኣፍቂረኩም ኣለኹ፤ ብፍቕረይ ንበሩ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ። ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን። ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም። ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ። ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ። ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ። ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ እትኾኑስ፥ ዓለም ናቱ ዝኾነ ይፈቱ እዩ እሞ፥ ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም እምበር፥ ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ዓለም ይፀልአኩም ኣሎ። ‘ኣገልጋሊ፥ ካብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክሩ፤ ንኣይ እንተ ኣሳጒጎምኒ ንኣኻትኩምውን ከሳጕጉኹም እዮም፤ ቃለይ እንተ ሓልዮም፥ ቃልኩምውን ክሕልዉ እዮም። እንተ ኾነ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፥ ምእንቲ ስመይ፥ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሌኹም ክፍፅምዎ እዮም። ኣነ መፂአ እንተ ዘይነግሮምስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን። እቲ ንኣይ ዝፀልእ፥ ነቦይውን ይፀልእ። ኣብ ማእኸሎም፥ ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብር ነይረ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ሪኦምስ፥ ንኣይን ነቦይን ፀልኡና። እዙይ ግና እቲ ኣብ ሕጎም ‘ብዘይ ምኽንያት ፀልኡኒ’ ዝብል ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ ዝኾነ። እቲ ኣነ ኻብ ኣብ፥ ዝሰደልኩም መፀናንዒ፥ ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ መሰኻኽረይ ኢኹም። “እዙይ ዝነገርኩኹም ከይትዕንቀፉ ኢለ እየ። ካብ ቤተ ፀሎቶም ከውፅኡኹም እዮም፤ እኳ ደኣ እቲ ዝቐትለኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሎት ከም ዝፈፀመ እዝ ዅሉ ዝገብሩኹም፥ ነቦይ ኮነ ንኣይ፥ ስለ ዘይፈለጡ እዮም። እዝ ነገራት እዙይ ዝነገርኩኹም፥ ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ኣነ ኸም ዝነገርኩኹም፥ ምእንቲ ኽትዝክርዎ ኢለ እየ፤ ካብ መጀመርታ እዙይ ዘይነገርኩኹም፥ ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ። እዙይ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፥ ኣብ ልብኹም ሓዘን መልአ። እንተ ኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን፥ ብዛዕባ ፅድቅን፥ ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ። ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ እዩ። ብዛዕባ ፅድቂ ድማ፥ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ደጊም ስለ ዘይትሪኡኒ እዩ። ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ፥ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈረዶ እዩ። “ገና ብዙሕ ነገር ዝነግረኩም ኣለኒ፤ እንተ ኾነ፥ ሕዚ ኽትፆርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ። ንሱ ኻባይ ወሲዱ ስለ ዝገልፀልኩም፥ ንኣይ ከኽብረኒ እዩ። እቲ ዅሉ ናይ ኣብ ዝኾነ ናተይ እዩ፤ ስለዙይ እየ ኻባይ ወሲዱ፥ ክነግረኩም እዩ ዝበልኩኹም። “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ድማ፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም።” ሽዑ ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንስንሳቶም “እዝ ‘ናብ ኣብ ክኸይድ እየ እሞ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ዝብለና ዘሎስ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ። ስለዙይ ንሳቶም “እዝ ንቑሩብ ጊዜ ዝብሎ ዘሎስ እንታይ እዩ? እዝ ዝዛረቦ ዘሎ ኣይተረድአናን” ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ከዓ ኽጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ “‘ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ስለ ዝበልኩኹምዶ፥ ንስንሳትኩም ትጠያየቑ ኣለኹም?” በሎም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትሓዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ሓዘንኩም፥ ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ። ሰበይቲ ኽትወልድ እንተላ፥ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበፅሓ ትጭነቕ፥ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፥ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ ዝተወለደ፥ ትሕጐስ፤ ነቲ ጭንቃውን ኣይትዝክሮን እያ። ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን። በታ እዋን እቲኣ፥ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ። ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። “እዝ ዅሉ ብምስላ እየ ዝተዛረብኩኹም፤ ካብ ብሕዚ ግና፥ ብምስላ ዘይነግረኩም ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ብዛዕባ ኣብ፥ ብግልፂ ኽነግረኩም እምበር። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፤ ኣነ ንኣብ ምእንታኻትኩም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን። ንስኻትኩም ኣነ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፃእኹ፥ ስለ ዝኣመንኩምን ስለ ዘፍቀርኩምንን፥ ኣብ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩ እሞ። ካብ ኣብ ወፂአ፥ ናብ ዓለም መፃእኹ፤ መሊሰውን ንዓለም ሓዲገ፥ ናብ ኣብ ክኸይድ እየ።” እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ ብምስላ ዘይኮነስ፥ ብገሃድ ትዛረብ ኣለኻ። ንስኻ ዅሉ ኸም እትፈልጥ፥ ሓደኳ ኽጥይቐካ ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሕዚዶ ኣሚንኩም? እንሆ ዅልኻትኩም፥ ነናብ ገዛኹም እትብተኑላ፥ ንበይነይውን እትሓድጉላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ድሮ እኳ እኒሃ መፂኣ፤ ግና ኣብ፥ ምሳይ ስለ ዝኾነ በይነይ ኣይኮንኩን። በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።” ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ! እንሆ፥ እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ ወድኻ ምእንቲ ከኽብረካስ፥ ንወድኻ ኣኽብሮ፤ ነዞም ዝሃብካዮ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽህቦም፥ ንእኡ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወዲ ሰብ ስልጣን ሂብካዮ ኢኻሞ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ። ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈፂመ፥ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ እየ፤ ኦ ኣቦ! ሕዚ ድማ በቲ ዓለም እንተይተፈጥረ፥ ኣባኻ ብዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ። ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት፥ ስምካ ገለፅኩሎም። ናትካ ነበሩ፤ ንኣይ ድማ ሃብካኒ፤ ቃልካውን ሓለዉ። እቲ ዅሉ ዝሃብካኒ፥ ካባኻ ምዃኑ ሕዚ ፈለጡ። እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብኩዎም፤ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝመፃእኹ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፤ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ። ኣነ ምእንትኣቶም እልምን ኣለኹ። ናትካ እዮም እሞ፥ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፥ ምእንቲ ዓለምስ ኣይልምንን እየ። ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፤ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፤ ኣነውን ብኣኣቶም እኸብር ኣለኹ። ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፤ ኣነውን ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ! ነቶም ዝሃብካኒ፥ ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ብስምካ ሓልዎም። ኣነ ምስኣቶም ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ነቶም ዝሃብካኒ በቲ ስምካ፥ ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፤ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እንትርፊ እቲ ወዲ ጥፍኣት፥ ካብኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ የለን። ሕዚ ግና ናባኻ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓጐሰይ ኣብኣቶም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ድማ፥ እዙይ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣለኹ። ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፤ ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑን እሞ፥ ዓለም ፀልኦም። ካብ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር፥ ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑንሞ። በቲ ሓቅኻ ቐድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ። ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፥ ከምኡ ኣነውን ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ፥ ኣነ ምእንትኣቶም ንርእሰይ እቕድስ ኣለኹ። “ምእንቲ እቶም ብቓሎም፥ ብኣይ ዝኣምኑውን እምበር፥ ምእንቲ እዚኣቶም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ። ኦ ኣቦ! ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፥ ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ፥ ኵላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ንስኻ ኣባይ ከም ዘለኻ፥ ኣነውን ኣባኻ ኸም ዘለኹ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም፥ ኣባና ምእንቲ ክኾኑ እልምን ኣለኹ። ንሕና ሓደ ኸም ዝኾንና፥ ንሳቶምውን ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም። እዙይ ድማ ኸምቲ ኣነ ኣብኣቶም፥ ንስኻውን ኣባይ ዝኾንካ፥ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ፤ ከምኡ ድማ ንኣይ ከም ዝለኣኽካኒ፥ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን፥ ንኣኣቶም ከም ዘፍቀርካዮም፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ እዩ። ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፥ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ። ኦ ፃድቕ ኣቦ! ዓለም ኣይፈለጠካን፤ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣለኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። እታ ንኣይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽትህሉ፥ ኣነውን ኣብኣቶም ምእንቲ ኽነብር፥ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፤ ከፍልጦምውን እየ።” ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ማዕዶ ሩባ ቄድሮን ሰጊሩ፥ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ። ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን፥ ኣብኣ ብዙሕ ጊዜ ይእከቡ ስለ ዝነበሩ፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ይሁዳ ኸዓ፥ ነታ ቦታ ይፈልጣ ነበረ። ስለዙይ ይሁዳ፥ ነቶም ሓደ ኽፋል ወታደራትን፥ ሓሻኽር ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን፥ መሪሑ መፀ፤ ንሳቶም ፋኑሳትን ዝነድድ ሽግን ኣፅዋርን ሒዞም ነበሩ። ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ዅሉ ዝመፆ ዘሎ ነገራት ፈሊጡ፥ ናብኣቶም ወፀ እሞ፥ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ ምስኣቶም ደው ኢሉ ነበረ። ሽዑ “ኣነ እየ” ምስ በሎም እናድሐርሐሩ ናብ ምድሪ ወደቑ። መሊሱ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየዶ እብለኩም ኣየለኹን? እምበኣር ንኣይ ካብ ደለኹም፥ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም። እዙይ ከዓ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደኳ ኣየጥፋእኹን” ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ሰይፊ ስለ ዝነበሮ፥ ሰይፉ መዚዙ፥ ነቲ ሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረፆ። ስም እቲ ሓሽከር ከዓ ማልኮስ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለስ፤ ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ፅዋዕ ኣይሰትዮን ድየ?” በሎ። ሽዑ እቶም ክፋል ወታደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ሓሻኽር ኣይሁድን ንኢየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። ሃና፥ ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣቐዲሞም ናብኡ ወሰድዎ። ቀያፋ ኸዓ እቲ “ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብ እንተ ሞተ ይሐይሽ” ኢሉ ንኣይሁድ መኺሩዎም ዝነበረ እዩ። ስምኦን ጴጥሮስን ሓደ ኻልእ ደቀ መዝሙርን፥ ንኢየሱስ ሰዓብዎ። እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር በቲ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፥ ምስ ኢየሱስ ናብ መረባ ሊቀ ካህናት ኣተወ። ጴጥሮስ ግና ብወፃኢ ኣብ ኣፍ ደገ፥ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ ኣብ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ዝነበረ ኻልእ ደቀ መዝሙር ከዓ ወፀ እሞ፥ ነታ ሓላዊት በሪ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። ሽዑ እታ በሪ እትሕሉ ገረድ ንጴጥሮስ “ንስኻ ኻብ ደቀ መዛሙርት እዝ ሰብ እዙይዶ ኣይኮንካን?” በለቶ። ንሱ ግና “ኣይኮንኩን!” በለ። ቍሪ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሓሻኽርን ኣገልገልትን፥ ሓዊ ኣንዲዶም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምስኣቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ። ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ንኢየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ጠየቖ። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ንዓለም ብገሃድ እየ ዝተዛረብኩ፤ ኵልሻዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ንምንታይከ ንኣይ ትጥይቐኒ? ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ዝነበሩ ጠይቆም። እንሆ ንሳቶም፥ ነቲ ኣነ ዝተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም።” እዙይ ምስ በለ፥ ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓሻኽር ሊቀ ካህናት ሓደ “ንሊቀ ካህናትስ ከምዙይ ኢልካ ኽትምልሰሉ?” ኢሉ ንኢየሱስ ገፁ ፀፍዖ። ኢየሱስ ድማ “ክፉእ እንተ ተዛሪበ፥ ክፉእ ምዃኑ መስክር፤ ፅቡቕ እንተ ተዛሪበ ግና፥ ንምንታይ ትወቕዐኒ?” በሎ። ሃና ኸዓ ናብ ሊቀ ካህናት ቀያፋ፥ ብእሱሩ ሰደዶ። ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ ደው ኢሉ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ፥ ካልኦት ሰባት “ንስኻ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት ኢየሱስዶ ኣይኮንካን ኢኻ?” በልዎ፤ ንሱ ግና ኣይኮንኩን ኢሉ ኸሓደ። ሓደ ኻብቶም ሓሻኽር ሊቀ ካህናት፥ ናይቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረፆ ዘመድ ዝኾነ፥ “ኣብቲ ናይ ኣታኽልቲ ቦታዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይረአኹኻን?” በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ኸሓደ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ደርሆ ነቀወ። ሽዑ ንኢየሱስ ካብ ቀያፋ፥ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፤ ንግሆ ድማ ነበረ። ኣይሁድ ምእንቲ በጊዕ ፋሲካ ኽበልዑ፥ ከይረኽሱ ኢሎም ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን። ስለዙይ ጲላጦስ ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ “ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንምንታይ ኢኹም እትኸስዎ ዘለኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እዙይ ገባሪ ክፉእ እንተ ዘይኸውንስ፥ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን ኔርና” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ጲላጦስ “ንስኻትኩም ወሲድኩም፥ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩም ፍረድዎ” በሎም። ኣይሁድ ከዓ “ንኣናስ ሓደኳ ኽንቀትል ኣይተፈቐደልናን” በልዎ። እዙይ ከዓ እቲ ኢየሱስ፥ በየናይ ሞት ክመውት ከም ዘለዎ ኸመልክት ኢሉ፥ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። ጲላጦስ መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣተወ፤ ንኢየሱስ ፀዊዑ ኸዓ “ንስኻ ናይ ኣይሁድ ንጉስ ዲኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “እዝ ትዛረቦ ዘለኻ ኻብ ባዕልኻ ዲኻ፥ ወይ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ ኢዮም?” ኢሉ መለሰሉ። ጲላጦስ ከዓ “ኣነ ኣይሁዳዊ ድየ? ወገናትካን ሊቃነ ካህናትን እዮም፥ ናባይ ኣሕሊፎም ዝሃቡኻ፤ እንታይ ጌርካ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ድማ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን፤ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ እትኸውንስ፥ ናብ ኣይሁድ ከይወሃብ፥ ወታደራተይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕዚ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን” ኢሉ መለሰ። ጲላጦስ ድማ “እምበኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንጉስ ምዃነይ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ። ጲላጦስ ድማ “ሓቂኸ እንታይ እዩ?” በሎ። እዙይ ኢሉ፥ መሊሱ ናብ ኣይሁድ ወፂኡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን። እንተ ኾነ፥ ንኣኻትኩም በብፋሲካ፥ ሓደ እሱር ክፈትሐልኩም ልማድ ኣለኩም። ስለዙይ ነዝ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም። ሽዑ ንሳቶም መሊሶም “ነዝ ሰብ እዙይ ዘይኮነስ፥ ንበርባን ፍትሐልና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። በርባን ግና ሽፍታ እቶም ወታደራት ከዓ፥ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ቀይሕ ኽዳንውን ከደንዎ። ናብኡ እናመፁ ኸዓ “ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ” እናበሉ ገፁ ይፀፍዕዎ ነበሩ። ጲላጦስ መሊሱ ናብ ደገ ወፂኡ “ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ንኽትፈልጡ፥ እንሆ ናብ ደገ ኣውፅአልኩም ኣለኹ” በሎም። ሽዑ ኢየሱስ ኣኽሊል እሾዅ ደፊኡ፥ ቀይሕ ኽዳን ተኸዲኑ፥ ናብ ደገ ወፀ። ጲላጦስ ድማ፥ “እንሆ፥ እቲ ሰብኣይ!” በሎም። ሊቃነ ካህናትን እቶም ሓሻኽሮምን ምስ ረአይዎ ኸዓ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። ጲላጦስ ከዓ “ባዕልኻትኩም ደኣ ወሲድኩም ስቐልዎ እምበር፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” በሎም። ኣይሁድ ድማ “ንሕና ሕጊ ኣለና፤ ከም ሕግና ኸዓ፥ ንሱ ንባዕሉ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሎም መለሱሉ። ጲላጦስ እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ፈርሐ። መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣትዩ፥ ንኢየሱስ “ንስኻ ካበይ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ግና ሓንቲኳ ኣይመለሰሉን። ጲላጦስ ከዓ፥ “ንኣይውንዶ ኣይትዛረበንን ኢኻ? ክሰቕለካን ክፈትሐካን፥ ስልጣን ከም ዘለኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተውሂቡካስ፥ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዙይ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ፥ ዝገደደ ሓጢኣት ኣለዎ” ኢሉ መለሰሉ። ጲላጦስ ነዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢየሱስ ናብ ደገ ወሲዱ፥ ኣብቲ ብዕብራይስጢ ገበታ ዝበሃል ፀፍፀፍ፥ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። ጊዜኡ ናይ ፋሲካ ምድላው፥ ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። ጲላጦስ ንኣይሁድ “እንሆ ንጉስኩም!” በሎም። ሽዑ ንሳቶም “ኣወግዶ! ኣወግዶ! ስቐሎ!” እናበሉ ጫው ጫው በሉ። ጲላጦስ ከዓ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ?” በሎም። እቶም ሊቃነ ካህናት ከዓ “ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ። ሽዑ ንኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንኢየሱስ ድማ ሒዞም ወሰድዎ። መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ “ሓምሓም ርእሲ” ብዕብራይስጢ ድማ፥ “ጎልጎታ” ናብ ዝበሃል ስፍራ ወፀ። ኣብኡውን ሰቐልዎ፤ ምስኡ ኸዓ ኽልተ [ሸፋቱ] ሓደ በዙይ ሓደ ድማ በቱይ ሰቐሉ፤ ንኢየሱስ ከዓ ኣብ ማእኸሎም ሰቐልዎ። ጲላጦስ ድማ ፅሑፍ ፅሒፉ፥ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ፅሕፈቱ ድማ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ነበረ። እታ ኢየሱስ ዝተሰቐለላ ስፍራ፥ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፥ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ፥ ነቲ ፅሑፍ ኣንበብዎ። እቲ ፅሑፍ ብዕብራይስጢን ብላቲንን ብግሪክን ዝተፅሓፈ ነበረ። እቶም ናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት ንጲላጦስ “ንሱ ባዕሉ ‘ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ’ ኸም ዝበለ ደኣ እምበር፥ ‘ንጉስ ኣይሁድ እዩ’ ኢልካ ኣይትፅሓፍ” በልዎ። ጲላጦስ ከዓ “ዝፀሓፍኩ ፅሒፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። እቶም ወታደራት ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፥ ነቲ ኽዳውንቱ ወሲዶም፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓድሓደ ምእንቲ ኽበፅሖም፥ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፤ ነቲ ቐሚሹውን ከምኡ። እቲ ቐሚሹ ግና፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፥ ስፋይ ኣይነበሮን። ንስንሳቶም ከዓ “ንዝበፅሐ ኽበፅሖስ፥ ዕፃ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፥ ኣይንቕደዶ” ተበሃሃሉ። እዙይ ከዓ “እቲ ኽዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፤ ንቐምሸይውን ዕፃ ኣውደቑሉ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እቶም ወታደራት ከምዙይ ገበሩ። ኢየሱስ፥ ንኖኡን ነቲ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙሩን፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረአዮም፥ ንኖኡ፥ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እኒሆ ወድኺ” በላ። ነቲ ደቀ መዝሙር ከዓ “እኒሃትልካ እኖኻ!” በሎ። እቲ ደቀ መዝሙርውን፥ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ገዛኡ ወሰዳ። ኣብኡ መፂፅ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ካብቲ መፂፅ ሰፍነግ መሊኦም፥ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ኣሲሮም፥ ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። ኢየሱስ ከዓ ነቲ መፂፅ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈፀመ!” ሽዑ እቶም ወታደራት መፂኦም፥ ምሕዅልቲ እቲ ቐዳማይን፥ ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ግና፥ ድሮ ኸም ዝሞተ ሪኦም፥ ምሕዅልቱ ኣይሰበርዎን። ሓደ ኻብቶም ወታደራት ግና፥ ብዅናት ጐድኑ እቲ ነዙይ ዝረአየ መስከረ፤ እቲ ምስክርነቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ፥ ንሱ ሓቂ ኸም ዝዛረብ ይፈልጥ እዩ። እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓፅሚ እኳ ኣይስበርን ካልእ ፅሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ኽሪእዎ እዮም” ዝብል ኣሎ። እቲ ቕድም ብለይቲ፥ ናብ ኢየሱስ መፂኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን፥ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ግራም ንስጋ ኢየሱስ ወሲዶም ከዓ፥ ከምቲ ልማድ ኣገናንዛ ኣይሁድ፥ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ። ኣብቲ ጥቓ ዝተሰቐለሉ ቦታ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸዓ፥ ሰብ ተቐቢሩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ። እቲ ዕለት በዓል ምድላው ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ እቲ መቓብርውን ቀረባ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ቐበርዎ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ስለዙይ ንሳ ጐይያ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን፥ ናብቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙርን መፂኣ “ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይንፈልጥን” ሽዑ ጴጥሮስን እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙርን ወፂኦም፥ ናብቲ መቓብር ከዱ። ክልቲኦም ብሓንሳእ እናጐየዩ እንተለዉ፥ እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀዲምዎ፥ ኣብቲ መቓብር በፅሐ። ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ ኣብኡ ነቲ መግነዝ ረአየ፤ ግና ኣይኣተወን። ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ደድሕሪኡ መፂኡ ናብቲ መቓብር ኣተወ፤ እቲ መግነዝውን ተቐሚጡ ረአየ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መጠምጠምያ ኸዓ፥ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፥ ምስቲ መግነዝ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ቐዲሙ ናብቲ መቓብር ዝበፅሐ ኻልእ ደቀ መዝሙርውን ኣተወ፤ ሪኡ ድማ ኣመነ። ነቲ “ካብ ሙታን ክትስእ ይግብኦ እዩ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ። ድሕሪዙይ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርት፥ ናብ ገዛኦም ተመለሱ። ማርያም ግና፥ ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከዓ፥ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ጠመተት። ኣብቲ ስጋ ኢየሱስ ዝነበሮ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ መላእኽቲ፥ ሓደ ብትርኣስ፥ ሓደ ኸዓ ብትርጋፅ ረአየት። ንሳቶም ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ?” በልዋ፤ ንሳ ድማ “ንጐይታይ እዙይ ኢላ ንድሕሪኣ ግልፅ በለት እሞ፥ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶ። ኢየሱስ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጠትን። ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ? ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ?” በላ፤ ንሳ ድማ ሓላዊ ኣታኽልቲ መሲልዋ፥ “ጐይታይ፥ ንስኻ ወሲድካዮ እንተ ዄንካስ ኣነ ምእንቲ ኽወስዶ፥ ኢየሱስ ድማ “ማርያም” በላ። ንሳውን ግልፅ ኢላ ብዕብራይስጢ “ረቡኒ!” በለቶ፤ ትርጕሙውን “መምህር” ማለት እዩ። ኢየሱስ ድማ “ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትንክእኒ፤ ግና ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ ‘ናብ ኣቦይን ናብ ኣቦኻትኩምን፥ ናብ ኣምላኸይን ናብ ኣምላኽኩምን፥ ኣዓርግ ኣለኹ’ በሊዮም” በላ። ማርያም መግደላዊት ድማ፥ ንጐይታ ኸም ዝረአየቶን፥ እዙይውን ከም ዝበላን፥ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ነገረቶም። እዙይ ምስ በሎም ከዓ፥ ኣእዳዉን ጐኑን ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፤ ከምቲ ኣብ፥ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣለኹ” በሎም። እዙይ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፥ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ! ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ክሕደገሎም፥ ንዘይሓደግኩሙሎም ግና፥ ኣይሕደገሎምን እዩ” በሎም። ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት፥ እቲ ዲዲሞስ ዝበሃል ቶማስ ግና፥ ኢየሱስ ክመፅእ እንተሎ ምስኣቶም ኣይነበረን። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ከዓ “ንጐይታ ሪኢናዮ” በልዎ፤ ቶማስ ግና “ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እንተ ዘይረአኹ፥ ኣፃብዕተይውን ኣብቲ ዝተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ፥ ኣብ ጐኑውን ኢደይ ሰዲደ እንተ ዘይዳህሰስኩ፥ ኣይኣምንን እየ” በሎም። ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸዓ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መሊሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተለዉ፥ ቶማስ ምስኣቶም ነበረ። እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ መፂኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም። ድሕሪዙይ ንቶማስ፥ “ኣፃብዕትካ ናብዙይ ኣምፅእ፤ ኣእዳወይውን ረአ፤ ኢድካ ናብዙይ ኣምፅእ እሞ፥ ናብ ጐነይ ሰዲድካ ኣእትዎ። ኣማኒ እምበር፥ ዘይኣማኒ ቶማስ ከዓ መሊሱ “ጐይታይን፥ ኣምላኸይን!” በሎ። ኢየሱስ ድማ ንቶማስ “ስለ ዝረአኻኒዶ ኣሚንካ? እቶም እንተይረአዩ ዝኣምኑ፥ ብፁኣን እዮም” በሎ። ኢየሱስ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዘይተፅሓፈ፥ ካልእ ብዙሕ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። ግና እዙይ ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትኣምኑን፥ ኣሚንኩምውን ብስሙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ። ስምኦን ጴጥሮስን፥ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስን፥ ኣብ ገሊላ ኻብ እትርከብ ካብ ቃና ዝኾነ ናትናኤልን፥ ደቂ ዘብዴዎስን፥ ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን፥ ሓቢሮም ነበሩ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ኣነስ ዓሳ ኸስግር ክኸይድ እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕናውን ምሳኻ ኽንኸይድ ኢና” በልዎ። ወፂኦም ድማ ናብ ጃልባ ኣተዉ፤ እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደኳ ኣይሓዙን። ምድሪ ምስ ወግሐ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው በለ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ኣይፈለጡን። ኢየሱስ “ደቀይ፥ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸዓ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርቢይዎሞ፥ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ነቲ መርበቦም ደርበይዎ እሞ፥ ካብ ብዝሒ ዓሳ ዝተልዓለ ምስሓቡ ሰኣኑ። እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ከዓ ንጴጥሮስ “ጐይታ እኮ እዩ” በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ጥራሕ ዝባኑ ስለ ዝነበረ፥ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ግና፥ ካብ ወሰን ባሕሪ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሜትር ዝኣክል ጥራሕ ርሒቖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናሰሓብዎ ብጃልባ መፁ። ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓሳ ዝነበሮ ጓህርን፥ ዝተሰርዐ እንጀራን ረአዩ። ኢየሱስ ከዓ ኻብዝ ሕዚ ዝሓዝኩምዎ ዓሳ ኣምፅኡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደዪቡ፥ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ፥ ናብ ምድሪ ጐተቶ። ብዝሓቱ ኽሳዕ ክንድዙይ ዝኣክል እንተ ኾነኳ፥ እቲ መርበብ ኣይተቐደደን። ኢየሱስ ድማ “ንዑ ብልዑ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ንሱ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፥ ካብኣቶም ሓደኳ “ንስኻ መን ኢኻ” ኢሉ ኽጥይቖ ዝደፈረ ኣይነበረን። ኢየሱስ መፂኡ ነቲ እንጀራ ኣልዒሉ ሃቦም፤ ካብቲ ዓሳውን ከምኡ። ካብ ሙታን ድሕሪ ምትስኡ፥ ንደቀ መዛሙርቱ እንትግለፀሎም፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜ እዩ። ንካልኣይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “እወ ጐይታ፥ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣባጊዐይ ሓሉ” በሎ። ንሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ “ትፈትወኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ እናሓዘነ “ጐይታ፥ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ንስኻ ጐበዝ እንተለኻ፥ ባዕልኻ ሕቘኻ ተዓጢቕካ፥ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ፤ ምስ ሸምገልካ ግና፥ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ፥ ሕቘኻ ኻልእ ከም ዘዕጥቐካ፥ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዝወስደካ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ። እዙይ ዝበለ፥ ጴጥሮስ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ንእግዚኣብሄር ከኽብሮ ኸም ዘለዎ፥ ምእንቲ ኸመልክቶ እዩ። እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ “ተኸተለኒ” በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ሪኡ ንኢየሱስ “ጐይታ፥ እዙይከ ኸመይ ክኸውን እዩ?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ክሳዕ ዝመፅእ ኽፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ? ንስኻ ግዳ ተኸተለኒ” በሎ። ስለዙይ “እቲ ደቀ መዝሙር እቱይ ኣይመውትን እዩ” ዝብል ዘረባ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ተሰምዐ። ኢየሱስ ግና “ክሳዕ ዝመፅእ ክፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ?” እዩ ዝበለ እምበር፥ “ኣይመውትን” ኣይበለን። ብድሕሪ ሞቱ፥ ነርብዓ መዓልቲ ዝኣክል እናተርአዮም፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናነገሮም፥ ብብዙሕ መረዳእታ፥ ህያው ከም ዝኾነ ንባዕሉ ኣርኣዮም። ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ፥ ናይ ኣብ ተስፋ ተፀበዩ እምበር፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ። ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢየሱስ ከዓ “ነቲ ኣብ፥ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን እዋንን ክትፈልጡ፥ ኣይተውሃበኩምን። መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፥ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ይሁዳን፥ ኣብ ሰማርያን፥ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን፥ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም። እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ። ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥ “ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ናብታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ላዕለወይቲ ደብሪ ደየቡ። ንሳቶምውን ጴጥሮስ፥ ዮሃንስ፥ ያእቆብ፥ እንድርያስ፥ ፊልጶስ፥ ቶማስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ስምኦን ቀናኢ፥ ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም፥ ምስ ገሊኣተን ኣንስትን፥ ምስ ማርያም እኖ ኢየሱስን፥ ምስ ኣሕዋቱን ሓቢሮም፥ ፀሎት የዘውትሩ ነበሩ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ፥ ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ኣሕዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንኢየሱስ ክሕዝዎ እንተለዉ ዝመርሖም ይሁዳ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብኣፍ ዳዊት ዝበሎ ቃል መፅሓፍ፥ ክፍፀም ይግባእ እዩ። ቍፅሩ ምሳና እንትኸውን፥ ናይዝ ኣገልግሎት እዙይ ተኻፋላይውን ነበረ። ሕዚ ግና፥ እንሆ እዝ ሰብዙይ ብዓስቢ ዓመፃኡ፥ ግራት ዓደገ፤ ብግንባሩ ተደፊኡ ኸዓ፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ፤ ኵሉ ኣምዑቱ ድማ ተዘርገፈ። እዝ ነገርዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅሎም ተሰምዐ፤ ነቲ ግራት ከዓ ብቛንቋኣቶም ኣኬልዳማ፥ ማለት ግራት ደም፥ ኢሎም ሰመይዎ። ዝብል፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። ስለዙይ ክልተ ሰባት ኣቖሙ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ኢዮስጦስ ወይ በርናባስ ዝብልዎ ዮሴፍን፥ ማትያስን ነበሩ። ሽዑ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ክኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ክቕበል፥ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም፥ ነየንኦም ከም ዝሓረኻ ኣርኢ” እናበሉ ፀለዩ። ዕፃ ድማ ኣውደቑሎም፤ እታ ዕፃ፥ ከዓ ንማትያስ በፅሐት፤ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ሃዋርያትውን ተቘፀረ። ብድንገት ከም ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ መፀ። ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን መልኣ። ልሳናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተርኣዮም፤ ተመቓቒሉ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐመጠ። ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዓለም እዝ ድምፂ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። ነፍሲ ወከፎም፥ በብቛንቋኣቶም ክዛረቡ ምስ ሰምዑ ኸዓ ተገረሙ። ኵላቶም ተገሪሞምን ተደኒቖምን፦ “እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዅላቶም፥ ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን? ከመይ ኢልና ደኣ ዅላትና፥ በብቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ፥ እንትዛረቡ ንሰምዖም ኣለና? ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን፥ እቶም ኣብ መስጴጦምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ ጳንጦስን ኣብ እስያን ዝነብሩ፥ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብፅን ኣብ ከባቢ ቀሬና ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮሜ ዝመፃእና ኣይሁድን፥ ናብ ይሁዲነት ዝኣተና ወገናት ኣህዛብን፥ ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፤ እንተ ኾነ እንሆ በብቛንቋና፥ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ እግዚኣብሄር፥ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና” በሉ። ኵላቶም ደንጊፆም ዝብልዎ ጠፊእዎም ከዓ ንስንሳቶም “እዝ ነገር እዙይስ እንታይ ኮን ይኸውን!” ተበሃሃሉ። ገሊኣቶም ግና እናላገፁሎም “እዚኣቶም ጕዕሽ ወይኒ ሰትዮም፥ ሰኺሮም እዮም” እናበሉ ሰሓቕዎም። ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ተሲኡ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ እቲ ዝኾነ ነገር ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ፅን ኢልኩም ስምዑኒ። ከምቲ ንኣኻትኩም ዝመሰለኩም፥ እዚኣቶም ሰኺሮም ኣይኮኑን፤ ገና ሰለስተ ሰዓት ናይ መዓልቲ እዩ እሞ። እዙይ ግና፥ ከምቲ ነቢይ ኢዩኤል ዝበሎ እዩ፦ ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም። ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም። ምልክት ደምን ሓዊን ጣቓን ክገብር እየ። ወርሒ ኸዓ፥ ናብ ደም ክትልወጥ እያ። ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ ድማ፥ ክድሕን እዩ።’ ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሄርን፥ ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን፥ ንዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ ሓጢኣተኛታት፥ ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ሒዙ ኸፅንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር መእሰሪ ሞት ፈቲሑ ኣተስኦ። ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸዓ ኣይናወፅን እየ፤ ስጋይውን ብተስፋ ኽነብር እዩ። ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ። ብታሕጓስ ክተፅግበኒ ኢኻ።’ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ዳዊት፥ ከም ዝሞተን ከም ዝተቐበረን፥ መቓብሩ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ኣባና ኸም ዘሎን፥ ኣረጋጊፀ እነግረኩም ኣለኹ። ንሱ ነቢይ ስለ ዝነበረ፥ እግዚኣብሄር ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዙፋኑ ኸቐምጥ፥ ማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ይፈልጥ ነበረ። ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፥ ስጋኡውን ምብስባስ ከም ዘይርኢ፥ ኣቐዲሙ ፈሊጡ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ተዛረበ። እግዚኣብሄር ነዝ ኢየሱስ፥ ኣተሲእዎ እዩ፤ ንሕና ዅላትና ኸዓ፥ ናይዝ ነገር እዙይ መሰኻኽር ኢና። ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ። ዳዊት ባዕሉ ደኣ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፥ በሎ’ ይብል እምበር፥ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። እምበኣርከስ፥ ነዝ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ፥ እግዚኣብሄር ንእኡ ጐይታን መሲሕን ከም ዝገበሮ፥ ኵሉ ቤት እስራኤል ብርግፅ ይፍለጥ።” ጴጥሮስ ድማ፦ “ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም፥ ኵልኻትኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ፤ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም። እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኻትኩምን፥ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝፅውዖም፥ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩ እሞ” በሎም። ካልእ ብዙሕ ነገርውን ነገሮምሞ፥ “ካብዝ ኽፉእ ትውልዲ ርእስኹም ኣድሕኑ” ኢሉውን መዓዶም። እቶም ሽዑ ነቲ ቓሉ ዝተቐበሉ፥ ተጠመቑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ኣመንቲ ተወሰኽዎም። ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ። እቶም ዝኣመኑ ዅሎም ድማ፥ ሓቢሮም ይነብሩ ነበሩ። ዘለዎም ኵሉ ኸዓ ናይ ሓባር ነበረ፤ ንሳቶም መሬቶምን ጥሪቶምን ሸይጦም፥ ንኹላቶም ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። በብመዓልቱውን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እንተየቋረፁ፥ ብሕብረት ፀኒዖም ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ገዛውቶም እንጀራ እናቘረሱ ኸዓ፥ ብታሕጓስን ብቕኑዕ ልብን፥ ኣብ ማእዲ ይሳተፉ ነበሩ፤ ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ዝድሕኑ ዕለት ዕለት፥ ናብቲ ማሕበር ይውስኽ ነበረ። ካብ ዝውለድ ጀሚሩ፥ መፃጕዕ ዝኾነ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትዉ ምፅዋት ምእንቲ ኽልምን ከዓ፥ ፆይሮም ዕለት ዕለት፥ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ፥ የቐምጥዎ ነበሩ። ንሱ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ምስ ረአዮም፥ ክምፅውቱሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኮይኑ፥ ናብኡ ኣተኵሩ እናጠመተ፥ “ናባና ጠምት” በሎ። ንሱ ኸዓ ኻብኣቶም ምፅዋት ዝረክብ መሲልዎ ኣተኲሩ ጠመቶም። ጴጥሮስ ድማ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ እቲ ዘለኒ ግና ኽህበካ እየ፤ ብስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተስእ እሞ ተመላለስ!” በሎ። ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙውን ኣተስኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ፀንዐ። ብድድ ኢሉ ኸዓ ደው በለ እሞ ኽመላለስ ጀመረ። እናተመላለሰን እናዘለለን ንእግዚኣብሄርውን እናመስገነን፥ ምስኣቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ብእግሩ እናኸደን፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነን ረአይዎ። ንሱ እቲ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ፥ ምፅዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ፥ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ተኣምር፥ ተደነቑን ተገረሙን። እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓቢሩ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ብዓብዪ ምግራም፥ ናብኣቶም ናብቲ “ገበላ ሰሎሞን” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጐየዩ። ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ፥ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብሓይልና ወይ ብፅድቅና፥ ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ፥ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም? ኣምላኽ ኣቦታትና፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንወዱ ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ፃድቕን ክሒድኩም፥ እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኽፍትሐልኩም፥ ለመንኩም። ነቲ ወሃብ ህይወት ድማ ቐተልኩምዎ፤ ንእኡ ግና እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ኣተስኦ፤ ንሕና ኸዓ ነዙይ ምስክር ኢና። ብስሙ ብምእማን፥ ነዝ እትሪእዎን እትፈልጥዎን ሰብ ኣፅንዖ። እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅልኻትኩም፥ ምሉእ ጥዕና ሃበቶ። ሕዚ ድማ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም፥ ነዙይ ብዘይ ምፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣለኹ። እግዚኣብሄር ግና ክርስቶስ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኵሎም ነቢያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈፀሞ። እምበኣር ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም፥ ካብ ገፅ እግዚኣብሄርውን፥ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመፀልኩም፥ ነቲ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ዝሓረዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽሰደልኩም፥ ተነስሁን ተመለሱን። ከምቲ ዝተነግረኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመፅእ፥ ሰማይ ንእኡ ኽቕበሎ ይግባእ እዩ። ሙሴውን እንሆ ዅላ እታ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ዘይትሰምዕ ነፍሲ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ኽትንቀል እያ’ በለ። ኵላቶም ነቢያት፥ ካብ ሳሙኤል ንስኻትኩም ውሉድ ነቢያትን፥ ውሉድ እቲ እግዚኣብሄር ዝሰርዖ ስርዓትን ኢኹም። ንኣብርሃም ‘ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም’ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ፥ ውሉድ ኪዳን ኢኹም። እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።” ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን ናብኣቶም መፁ። ነቶም ህዝቢ ስለ ዝመሃሩን፥ ብኢየሱስውን ትንሳኤ ምዉታን ከም ዝርከብ ስለ ዝሰበኹን፥ የመና ተናደዱ። ስለዙይውን ሓዝዎም፤ መስዩ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕደርዎም። እንተ ኾነ፥ ካብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዑ፥ ብዙሓት ኣመኑ። ብዝሒ እቶም ዝኣመኑ ሰብኡት ከዓ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ኾነ። ንፅባሒቱ ድማ መኳንንቶምን ሽማግለታቶምን መምህራን ሕግን፥ ምስ ሃና ሊቀ ካህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን፥ ኵሎም ወገን ሊቃነ ካህናትን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ። ንኣኣቶም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም ድማ “በየናይ ሓይሊ ወይ ብናይ መን ስም ኢኹም ነዙይ ዝገበርኩምዎ?” ኢሎም ጠየቕዎም። ሎሚ ንሕና እንምርመር ዘለና፥ ንሓደ ሕሙም ሰብ ብዛዕባ ዝተገብረሉ ሰናይ ነገርን፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየን እንተ ኾይኑ፥ እዝ ሓውዩ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢሉ ዘሎ፥ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ከም ዝኾነ፥ ኣብ ኵልኻትኩምን ኣብ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ፍሉጥ ይኹን። ንሱ እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ፥ ግና ርእሲ መኣዝን ዝኾነ እምኒ እዩ። ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።” እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስኣቶም ደው ኢሉ ምስ ረአይዎ፥ ዝዛረብዎ ሰኣኑ። ስለዙይ ካብቲ መጋባእያ ድሕር ከብልዎም ኣዘዙ። ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦ “ኣሉ ኽንብላ ዘይንኽእል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅላቶም ዝተግሃደት፥ ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣኣቶም ተገይራ እያ እሞ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ንግበሮም? ኣብ ህዝቢ ምእንቲ ገኒኑ ኸይውረ፥ ደጊም ብስም ኢየሱስ፥ ንሰብ ከይምህሩን ከይዛረቡን ብፅኑዕ ነጠንቅቆም” በሉ። ፀዊዖም ድማ ብስም ኢየሱስ፥ ንሓደኳ ኸይነግሩ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምስማዕ፥ ንኣኻትኩም ምስማዕ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ። ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም። ንሳቶም ከዓ፥ በቲ ዝተገብረ ተኣምራት፥ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር የመስግን ስለ ዝነበረ ፈሪሖም፥ ዘቕፅዕ ምኽንያትውን ስለ ዝሰኣኑሎም፥ መሊሶም ኣፈራሪሖም ሰደድዎም። እቲ ናይ ምሕዋይ ተኣምራት ዝተገበረሉ ሰብኣይ ድማ፥ ዕድሜኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ተፈትሑ፥ ናብቶም ኣሕዋት ከይዶም፥ ነቲ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ዝበልዎ ዅሉ ነገርዎም። ንሳቶምውን ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም፥ ድምፆም ልዕል ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በሉ፦ “ኦ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣተን ዘሎ ዅሉን፥ ዝፈጠርካ ጐይታ! ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ ‘ስለ ምንታይ ኣህዛብ ተቘጥዑ፤ ህዝብኸ ንምንታይ ከንቱ ነገር ይኣልሙ? ነገስታት ምድሪኸ ንምንታይ ተልዓሉ፤ እቶም መኳንንትኸ፥ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሑን፥ ክፃረሩ ብሓደ ተኣከቡ’ ዝበልካዮ ብሓቂውን ሄሮድስን ጴንጤናዊ ጲላጦስን፥ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ንሻራ ተልዓሉ። እዙይ ዝኾነውን፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ብፍቓድካን ብሓይልኻን ዝወሰንካዮ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። ሕዚ ድማ፥ ኦ ጐይታ! ምፍርራሖም ረአ፤ ንኣገልገልትኻ ኸዓ፥ ቃልካ ብምሉእ ትብዓት ክናገሩ ኣኽእሎም። ብስም እቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ሕሙማት ክሓውዩ፥ ምልክትን ተኣምራትን ክፍፀም፥ ኢድካ ዘርግሕ” ኢሎም፥ እናፀለዩ እንተለዉ፥ እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ተናወፀ፤ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ብትብዓት ተዛረቡ። ሃዋርያት ከዓ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ብዓብዪ ሓይሊ ይምስክሩ ነበሩ፤ ኣብ ኵሎም ድማ ዓብዪ ሞገስ ነበረ። ኵላቶም መሬት ወይ ኣባይቲ ዘለዎም ሸይጦም፥ ዋጋ እቲ ዝተሸጠ ኣምፂኦም፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ ነበሩ። ንሳቶምውን ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከምዘድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ። ስለዙይ ሓደ እኳ፥ ዝሽግሮ ሰብ ኣይነበሮምን። ንሱ ነቲ ዝነበሮ ግራት ሸይጡ፥ ነቲ ገንዘብ ኣምፂኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ፥ ሰጲራ ምስ እትበሃል ሰበይቱ መሬቱ ሸጠ። ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ ድማ፥ ካብቲ ዋጋኡ መቒሉ ኣትረፈ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ጥራሕ ኣምፂኡ፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። ጴጥሮስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ሓናንያ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ክተታልል፥ ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ኽትሓብእ፥ ከመይ ሰይጣን ኣብ ልብኻ መልአ? እንተይተሸጠስ፥ ናትካዶ ኣይነበረን? ምስ ሸጥካዮኸ፥ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን? ከመይ ጌርካ ነዝ ነገርዙይ፥ ብልብኻ ሓሰብካዮ? ንሰብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሄር ኢኻ ሓሲኻ ዘለኻ።” ሓናንያ እዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ወዲቑ ሞተ። ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎም፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ። ካብኣቶም ኣጓብዝ ተሲኦም ገነዝዎ፤ ተሸኪሞም ኣውፂኦምውን ቀበርዎ። ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፥ እቲ ዝኾነ እንተይፈለጠት ኣተወት። ጴጥሮስ ከዓ፥ “እስኪ ንገርኒ፤ ንመሬትኩም በዝ ኽንድዙይ ዲኹም ዝሸጥኩምዎ?” ኢሉ ጠየቓ፤ ንሳ ድማ “እወ፥ ብኽንድኡ እዩ” በለቶ። ጴጥሮስ ድማ “ከመይከ፥ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ ሓበርኩም? ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ፥ እንሆ ኣብ በሪ ኣለዉ፤ ንኣኺውን ከውፅኡኺ እዮም” በላ። ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ጥቓ እግሩ ወዲቓ ሞተት። እቶም ኣጓብዝ ምስ ኣተዉ፥ ሞይታ ስለ ዝፀንሐቶም ተሸኪሞም ወሲዶም፥ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። ኣብ ኵላ እታ ቤተ ክርስቲያንን፥ ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎምን ከዓ፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ። እቲ ህዝቢ የመና የኽብሮም እንተ ነበረ እኳ፥ ካብቶም ካልኦት ክሕወሶም ዝደፈረ ሓደኳ ኣይነበረን። ካብ ቅድም ብዝበለፀ፥ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ እናኣመኑ፥ ናብኣቶም ይውሰኹ ነበሩ። ጴጥሮስ ክሓልፍ እንተሎ፥ ፅላሎቱ ንኽዓርፎም፥ ነቶም ሕሙማት ብዓራታትን ብቓሬዛታትን ፆይሮም የምፅእዎም እሞ፥ ኣብቲ ኣደባባይ የንብርዎም ነበሩ። ካብተን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበራ ኸተማታት ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ሒዞም ይመፁ ነበሩ። ኵሎም ከዓ ይሓውዩ ነበሩ። ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኵሎም ወገን ሰዱቃውያንን ብርቱዕ ቅንኣት ሓዲርዎም ተስኡ። ንሃዋርያት ሒዞም ድማ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና፥ ብለይቲ ነቲ ማዕፆ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ኣውፅኦምሞ፥ “ኪዱ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፥ ነዝ ናይ ህይወት ቃል እዙይ፥ ንህዝቢ ንገሩ” በሎም። ሃዋርያት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣንጊሆም ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን መፂኦም፥ ነቲ መጋባእያን ነቶም ሽማግለታት ደቂ እስራኤልን ክእከቡ ፀውዕዎም። ንሃዋርያት ከምፅእዎም ድማ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ። እቶም ሓሻኽር ግና፥ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ በፅሑ ሰኣንዎም። ተመሊሶም ድማ፦ “እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓፅዩ፥ እቲ ማዕፆ ድማ ብፅኑዕ ተሸጕሩ፥ እቶም ሓለውቲ እውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ፀኒሖምና፤ ምስ ከፈትናዮ ግና፥ ሓደኳ ኣይረኸብናን” ኢሎም ነገርዎም። እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ “እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢሎም ብዛዕባኣቶም ዝብልዎ ሰኣኑ። ሓደ መፂኡ ግና፥ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምዎም ሰባት እኒሀዉ፥ “ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮም። ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ ምስቶም ሓሻኽሩ ኸይዱ ኣምፅኦም። እንተምፅእዎምውን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብምቅብጣር እዩ፤ እዙይውን እቲ ህዝቢ ብእምኒ ኸይቕጥቅጦም፥ ስለ ዝፈርሑ እዩ። ምስ ኣምፅእዎም፥ ኣብቲ መጋባእያ ደው ኣበልዎም፤ እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ፥ “ብስም እዝ ሰብ እዙይ ከይትምህሩዶ፥ ብፅኑዕ ኣዚዝናኩም ኣይነበርናን? እንሆ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መላእኹምዋ። ደም እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሌና ኽተምፅኡ ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም?” ኢሉ ጠየቖም። ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፥ ከምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ “ካብ ንሰብስ፥ ንእግዚኣብሄር ክንእዘዝ እዩ ዝግባእ። ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተስኦ። ንእስራኤል ንስሃን ስርየት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም፥ እግዚኣብሄር ንእኡ፥ ርእስን መድሓንን ገይሩ፥ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። ንሕና ነዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢና፤ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም፥ መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።” ንሳቶም ነዙይ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ፤ እንተ ኾነ፥ ሓደ ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ፥ ብዅሉ ህዝቢ እውን ዝኸበረ፥ ንሃዋርያት ሓንሳእ ከግልስዎም ኣዘዘ። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ብዛዕባ እዝ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘለኹም ነገር፥ ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ። ቅድሚ ሕዚ ቴዎዳስ፥ ኣነ ዓብዪ እየ ኢሉ ተሲኡ ነይሩ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከዓ ተኸተልዎ። እንተ ኾነ ንሱ ተቐተለ፤ እቶም ሰዓብቱ ድማ፥ ኵሎም ተበቲኖም ጠፍኡ። ብድሕሪኡ ኸዓ ብጊዜ እቲ ህዝቢ ዝተቖፀረሉ ዘመን፥ ይሁዳ በዓል ገሊላ ተስአ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ኣስድዐ፤ ንሱ ተቐተለ፤ ኵሎም እቶም ዝሰዓብዎ ድማ ተበተኑ። ሕዚ ኸዓ እነግረኩም ኣለኹ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፤ ኣይትንክእዎም፤ እዝ ምኽሪ እዙይን፥ እዝ ግብሪ እዙይን፥ ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ኽፈርስ እዩ። ካብ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ምስ እግዚኣብሄርውን ምብኣስ ከይኾነኩም።” ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሃዋርያት ግና ፀዊዖም ገረፍዎም፤ ብስም ኢየሱስ ከይናገሩ ኣዚዞም ከዓ ሰደድዎም። ንሳቶም ግና፥ ምእንቲ ስም ኢየሱስ፥ ውርደት ንምቕባል፥ ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተቘፀሩ፥ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ። በብመዓልቱ ኣብ ቤተ መቕደስን፥ ገዛ ንገዛ እናዞሩን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ እንተየቋረፁ ይምህሩን የብስሩን ነበሩ። ሽዑ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣኪቦም፥ “ንሕና ማእዲ ኽንሰርዕ ክንብል፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስባኽ ክንሓድግ ኣይግብአናን እዩ። ስለዙይ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዝ ጉዳይ እዙይ ክንሸሞም፥ ካባኻትኩም ብፅቡቕ ዝተመስከረሎም፥ መንፈስ ቕዱስን ጥበብን ዝመልኦም፥ ሸውዓተ ሰባት ሕረዩ፤ ንሕና ግና ኣብ ፀሎትን፥ ኣብ ምምሃር ቃሉን፥ ክንተግህ ኢና” በልዎም። እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣሐጐሰ፤ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብ እስጢፋኖስን፥ ንፊልጶስን፥ ንጵሮኮሮንን፥ ንኒቃሮናን፥ ንጢሞናን፥ ንጰርሜናን፥ ነቲ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተወ ኒቆላዎስ በዓል ኣንፆኪያን ድማ ሓረዩ። ነዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ኣቖምዎም፤ ንሳቶምውን ፀለዩሎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣንበሩሎም። ገሊኣቶም ናይታ ውፁኣት ሓራ ነቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ሽዑ “እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን፥ እንትፃረፍ ሰሚዕናዮ” ዝብሉ ሰባት ሓባበሉ። በዙይ ከዓ ንህዝብን ንሽማግለታትን ንመምህራን ሕግን ኣለዓዓሉ፤ ንሳቶም ድማ መፂኦም ሓዝዎ፤ ናብ መጋባእያውን ኣቕረብዎ። “እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕዱስ ስፍራን፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን፥ ምፅራፍ ኣቋሪፁ ኣይፈልጥን” ዝብሉ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣተስኡሉ። ንሳቶም “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ‘ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ ከፍርሶ እዩ፤ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ሕጊ እውን ክልውጦ እዩ’ ኽብል እንተሎ ሰሚዕናዮ” ዝብሉ መሰኻኽር ኣቖሙ። እቶም ኣብቲ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት፥ ኵላቶም ጠመትዎ፤ ገፁ ኸዓ፥ ከም ገፅ መልኣኽ ኮይኑ ተርኣዮም። እቲ ሊቀ ካህናት ንእስጢፋኖስ “እዝ ነገር ከምዙይ ድዩ?” “ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፥ ኣብ ካራን እንተይተቐመጠ ገና ኣብ መስጴጦምያ እንተሎ፥ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ተርኣዮ እሞ፥ ‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ እውን ኪድ’ በሎ። ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወፂኡ፥ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ካብኡ፥ ናብዛ ሕዚ እትነብሩላ ዘለኹም ምድሪ ኣውፅኦ። ኣብኣ ኽንዲ መርገፂ እግሪ እትኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፤ እንተ ኾነ ውሉድ ዘይብሉ እንተሎ፥ እታ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡ፥ ርስቲ ገይሩ ኸም ዝህቦ ተስፋ ሃቦ። እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ‘ዘርእኻ ኣብ ካልእ ሃገር ስደተኛታት ክኾኑ እዮም፤ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ከዓ፥ ከም ባርያ ኽገፍዕዎምን ከሳቕይዎምን እዮም። ኣነ ግና፥ ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ኽፈርዶም እየ’ ‘ብድሕሪዙይ ካብኡ ወፂኦም፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸምልኹኒ እዮም።’ ኪዳን ከም ዝኣተወሉ ኸርኢ ድማ፥ ናይ ግርዘት ስርዓት ሃቦ። ኣብርሃም ከዓ፥ ንይስሓቅ ምስ ወለደ ብሻምነይቲ መዓልቲ ገረዞ፤ ይስሓቅ ድማ ንያእቆብ፥ ያእቆብ ከዓ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ኣቦታት ነገድ እስራኤል። ካብ ኵሉ መከራኡ ኸዓ ኣውፅኦ፤ ኣብ ቕድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ድማ፥ ሞገስን ጥበብን ሃቦ፤ ንሱውን ኣብ ግብፅን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ኣዛዚ ገይሩ ሸሞ። ኣብ ኵሉ ግብፅን ከነዓንን ከዓ፥ ጥሜትን ብዙሕ መከራን ኮነ፤ ኣቦታትና ድማ ዝምገብዎ ሰኣኑ። ሽዑ ያእቆብ፥ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዝርከብ ምስ ሰምዐ፥ ነቦታትና ንመጀመርታ ጊዜ ለኣኾም። ኣብ ካልኣይ መንገዶም ከዓ፥ ዮሴፍ ነሕዋቱ መንነቱ ገለፀሎም። ዓሌቱውን ብፈርዖን ተፈለጠ። ዮሴፍ ድማ፥ ነቦኡ ያእቆብን፥ ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ዝኾኑ ዅሎም ኣዝማዱን፥ ልኢኹ ፀውዖም። ያእቆብ ድማ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ንሱ ሞተ፤ ኣቦታትናውን ሞቱ። ናብ ሴኬምውን ኣግዓዝዎም፤ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎም። እዝ ንጉስ እዙይ እቶም ህፃናቶም ሙሴ ድማ በቲ ዘመን እቱይ ተወለደ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኡ ፀንሐ። ምስ ተደርበየ፥ ጓል ፈርዖን ኣልዒላ ወዳ ክኸውን ኣዕበየቶ። ሙሴ ድማ፥ ኵሉ ጥበብ ግብፃውያን ተምሃረ፤ ብቓሉን ብስርሑን ከዓ ብርቱዕ ኾነ። “ሙሴ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ፥ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ክሪኦም ብልቡ ሓሰበ። ሓደ ኻብቶም ኣሕዋቱ እንትግፋዕ ምስ ረአየ፥ ዘርዩ ነቲ ግብፃዊ ብምቕታል ሕነ ፈደየሉ። እግዚኣብሄር፥ ብኢዱ ገይሩ ኸድሕኖም ከም ዝደለየ፥ ኣሕዋቱ ዝፈልጡ መሲልዎ ነበረ፤ እንተ ኾነ ንሳቶም ኣይተረድኡን። ንፅባሒቱ ኽልተ ኻብቶም ኣሕዋቱ፥ ክበኣሱ እንተለዉ ረኸቦም፤ ከተዓርቖም ደልዩ ኸዓ ‘ኣቱም ሰባት፥ ንስኻትኩምስ ኣሕዋት ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ንስንሳትኩም ትበኣሱ?’ በሎም። እቲ ንብፃዩ ዝዕምፆ ዝነበረ ግና፦ ‘ንኣኻ፥ ኣብ ልዕሌና ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፥ መን ሸመካ? ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብፃዊ ዝቐተልካዮ ንኣይውን ክትቀትለኒዶ ደሊኻ?’ በሎ። ሙሴ፥ እዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ምድያም ድማ፥ ስደተኛ ኾይኑ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ ቘልዑ ወለደ። “ኣብ ምድያም ኣርብዓ ዓመት ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ደብረ ሲና መልኣኽ ሙሴ ነዝ ትርኢት እዙይ ምስ ረአየ ተገረመ፤ ክጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፦ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን እየ’ ዝብል ድምፂ እግዚኣብሄር ሰምዐ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ፤ ክጥምት ከዓ ኣይደፈረን። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ እግርኻ ኣውፅእ። ናይቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ህዝበይ ግፍዒ ብርግፅ ረአኹ፤ ገዓሮምውን ሰማዕኹ፤ ከድሕኖም ድማ ወረድኩ፤ ሕዚ ኸዓ ነዓ፥ ናብ ግብፂ ኽልእኸካ እየ’ በሎ። ንሱ ኸዓ ኣብ ግብፅን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ምድረ በዳ ምልክትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውፅኦም።” ኣብ ምድረ በዳ ምስቲ ማሕበርን፥ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና ዝተዛረቦ መልኣኽን፥ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፥ ናባና ንኸመሓላልፎ ድማ፥ ናይ ህይወት ቃል ዝተቐበለ፥ ንሱ ሙሴ እዩ። ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፥ ክእዘዝዎ ኣይደለዩን፤ ብልቦምውን ናብ ግብፂ ተመለሱ። ንኣሮን ድማ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዘይንፈልጥ፥ ቀቅድሜና ዝኸዱ በቲ ቕነ እቱይ፥ ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ኣቖሙ፤ መስዋእቲ ድማ ሰውኡሉ፤ ብስራሕ ኣእዳዎምውን ደስ በሎም። ሕሩድ ኮነ መስዋእትታት ዘቕረብኩምለይዶ ነይሩኩም እዩ? ኣነ ኸዓ ኻብ ባቢሎን ንንየው፥ ከም እትስደዱ ኽገብረኩም እየ።’ ኣቦታትና ምስ ተቐበልዋ ኸዓ፥ ብኢያሱ ተመሪሖም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ፥ ካብ ገፅ ኣቦታትና ኣሳጒጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፤ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ፀንሐት። ዳዊት ድማ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ፤ ንኣምላኽ ያእቆብ ዝኸውን መሕደሪ ኽሰርሕ ከዓ ለመነ። ቤት ዝሃነፀሉ ግና ሰሎሞን እዩ። ዝበሎ፥ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ ቤት ኣይነብርን እዩ። ካብ ነቢያትከ፥ ኣቦታትኩም ዘየሳጐጕዎ መን ኣሎ? ንሳቶም፥ ነቶም ብዛዕባ ምምፃእ እቲ ፃድቕ፥ ኣቐዲሞም ንዝነገሩ ቐተልዎም፤ ሕዚ እውን ንስኻትኩም፥ ነቲ ፃድቕ ኣሕሊፍኩም ብምሃብ ቐተልኩምዎ። ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ፥ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎ ኔርኩም፤ እንተ ኾነ ኣይሓለኹምዎን።” ንሳቶም ከዓ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም ነደደ፤ ኣስናኖምውን ሓርቀሙሉ። ንእስጢፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙን ሽዑ “እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ፥ ወዲ ሰብ ድማ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙ እርኢ ኣለኹ” በለ። ንሳቶምውን ዓው ኢሎም ድምፂ እናስምዑ፥ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም ናብኡ ጐየዩ። ካብታ ኸተማ ኣውፂኦም ከዓ፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ፤ እቶም ዝቐተልዎ ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዝበሃል ጐበዝ ኣንበሩ። ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ። ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ “ኦ ጐይታ፥ ነዙ ሓጢኣት እዙይ ኣይትቝፀረሎም” በለ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ። ንእስጢፋኖስ፥ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ። ፊልጶስ ከዓ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ፥ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም። እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ፊልጶስ ዝነገሮም ሰምዕዎ፤ እቲ ዝገበሮ ተኣምራት፥ ምስ ሰምዑን ምስ ረአዩን ድማ፥ ብሓደ ልቢ ነቲ ዝናገሮ ኣቕለቡ። ካብ ብዙሓት ሰባት፥ ርኹሳት መናፍስቲ ብዓብዪ ድምፂ እናእወዩ ይወፁ ነበሩ፤ ብዙሓት መፃጕዓትን ሓንካሳትንውን ይሓውዩ ነበሩ። ካብዙይ ዝተልዓለ፥ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ። ኣብታ ኸተማ፥ ሓደ ሲሞን ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ፤ ብጥንቍልናኡን ብዘረባኡን፥ ንባዕሉ ኸም ዓብዪ ሰብ እናቕረበ ንሰብ ሰማርያ የገርሞም ነበረ። ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም “ዓብዪ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ እዙይ እዩ” እናበሉ የዳምፅዎ ነበሩ። ዘዳምፅዎ ዝነበሩ ኸዓ፥ ንብዙሕ እዋን ብጥንቍልናኡ የገርሞም ስለ ዝነበረ እዩ። ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ ስም ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፊልጶስ ሰቢኹሎም ምስ ኣመኑ ግና፥ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠመቑ። ሲሞን ባዕሉውን ኣሚኑ ተጠመቐ፤ ንፊልጶስውን ሰዓቦ፤ ምልክትን ዓበይቲ ተኣምራትን እንትፍፀም ምስ ረአየውን ተገረመ። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ከዓ፥ ሰብ ሰማርያ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ናብኣቶም ለኣኹሎም። ንሳቶም ድማ ወሪዶም፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበሉ ፀለዩሎም። ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፥ መንፈስ ቅዱስ ገና ኻብኣቶም፥ ኣብ ሓደኳ ኣይወረደን ነበረሞ። ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ፥ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። ሲሞን ከዓ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት፥ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተውሃበ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ እናበለ ገንዘብ ኣምፅአሎም፦ “እቲ ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበልስ፥ ንኣይውን እዝ ስልጣን እዙይ ሃቡኒ” በሎም። ጴጥሮስ ግና “ነቲ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ብገንዘብ ክትዕድጎ ስለ ዝሓሰብካ፥ ገንዘብካ ምሳኻ ይጥፋእ፤ ልብኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ፥ ኣብዝ ነገር እዙይ ክፍሊ ወይ ዕድል የብልካን። እምበኣር ካብዝ ኽፍኣትካ ተነሳህ፤ ምናልባሽ ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ ንእግዚኣብሄር ለምን። ኣብ መሪር ሕንዚ ቕንእን፥ ኣብ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ከም ዘለኻ እሪአካ ኣለኹሞ” በሎ። ሲሞን ድማ “ካብዝ ዝበልኩምዎ ነገራት ሓደኳ ኸይበፅሐንስ፥ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ” በሎም። እንሆ ኸዓ ንሳቶም ምስ መስከሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስ መሃሩን፥ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ፥ ወንጌል እናሰበኹ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፥ “ተስእ እሞ በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ ምድረ በዳ መንገዲ፥ ናብ ደቡብ ተሲኡ ኸዓ ኸደ፤ እንሆ ድማ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ፥ ንህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ምሉእ ስልጣን ዝነበሮ፥ ክሰግድ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ነበረ። ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ኽምለስ እንተሎ ኸዓ፥ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ ንፊልጶስ “ነዝ ሰረገላ እዙይ ኣርክቦ እሞ ምስኡ ኺድ” በሎ። ፊልጶስ ከዓ ጐይዩ ኣርከቦ፤ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ ምስ ሰምዖ ኸዓ፥ “ነዝ እተንብቦ ዘለኻስ፥ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ዝምህረኒ በጊዕ ከዓ፥ ኣፉ ኣይከፈተን፤ ትውልዱ መን ክነግር ይኽእል?” ዝብል ነበረ። እቲ ስሉብ ከዓ፥ መሊሱ ፊልጶስ ከዓ ኣፉ ኸፊቱ፥ ካብዝ መፅሓፍ እዙይ ጀሚሩ ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስራት ሰበኸሉ። ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በፅሑ፤ ሽዑ እቲ ስሉብ “እንሆ ኣብዙይ ማይ ኣሎ፤ ከይጥመቕ ዝኽልክለኒ እንታይ ኣሎ?” ፊልጶስ ከዓ “ብምሉእ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፥ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ” በሎ። ንሱ ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ እኣምን እየ” ኢሉ መለሰሉ። ነቲ ሰረገላ ደው ከብልዎ ኸዓ ኣዘዘ፤ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኦም፥ ናብቲ ማይ ወረዱ፤ ኣጥመቖውን። ካብቲ ማይ ምስ ወፁ ኸዓ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ ወሰዶ፤ ብድሕሪኡ እቲ ስሉብ መሊሱ ኣይረኣዮን፤ እናተሓጐሰውን መንገዱ ቐፀለ። ፊልጶስ ድማ ኣብ ሃገር ኣዛጦን ተረኽበ፤ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንእግረ መንገዱ ኣብ ኵለን ከተማታት እናተዘዋወረ፥ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ። ሳውል ግና ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፥ “ክቐትሎም እየ” ኢሉ እናተሓነየ፥ ናብቲ ሊቀ ካህናት ከደ። ዝኾነ ይኹን፥ ነቶም መንገዲ ጐይታ ዝስዕቡ ሰብኡትን ኣንስትን እንተ ረኸበ ድማ፥ እናኣሰረ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእሎ፥ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ዝበፅሕ፥ ናይ ፍቓድ መልእኽቲ፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ለመነ። ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ ናብ ከተማ ደማስቆ ቐረበ፤ ብድንገት ድማ፥ ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ኣንፀባረቐ። ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ። ንሱ ድማ “ጐይታይ፥ መን ኢኻ?” በሎ፤ ጐይታ ኸዓ “ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ ኢየሱስ ንሱ ኸዓ ፈሪሑ እናንቀጥቀጠ “ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ?” በሎ። ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፤ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብአካውን፥ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም” በሎ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ፥ ድምፂ እናሰምዑ ሓደኳ ብዘይምርኣዮም ገሪምዎም ደው በሉ። ሳውል ድማ ኻብቲ ዝወደቐሉ ምድሪ ተሲኡ፥ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ፤ እንተ ኾነ ኽርኢ ኣይከኣለን፤ ስለዙይ ብኢዱ እናመርሑ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። እንተይረአየን እንተይበልዐን እንተይሰተየን ድማ፥ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ። ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ሓደ ሓናንያ ዝስሙ ደቀ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ “ሓናንያ” ኢሉ ፀውዖ፤ ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ። ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ፥ ናብታ ቕንዕቲ ተብሂላ እትፅዋዕ መንገዲ ኺድ፤ ሳውል ዝበሃል ሰብኣይ በዓል ጠርሴስ ይፅሊ ኣሎ እሞ፥ ኣብ እንዳ ይሁዳ ድለዮ፤ ብራእይ ሓናንያ ዝበሃል ሰብ ናብኡ ኣትዩ፥ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ እንተንብረሉ፥ ኣዒንቱ ኸም ዝሪኣ፥ ብራእይ ተገሊፁሉ ኣሎ” በሎ። ሓናንያ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ብዛዕባ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፥ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ። ናብዙይ ድማ፥ ነቶም ስምካ ዝፅውዑ ዅሎም ክኣስር፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተውሂብዎ ኣሎ” ኢሉ መለሰ። ጐይታ ግና “ኪድ ደኣ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ህዝቢ እስራኤልን፥ ስመይ ክፀውር ዘለዎ፥ ናተይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ። ምእንቲ ስመይውን፥ ብዙሕ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ ኸርእዮ እየ” በሎ። ሓናንያ ኸዓ፥ ከይዱ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ድማ “ሳውል ሓወይ፥ እቲ ኽትመፅእ እንተለኻ፥ ኣብ መንገዲ ዝተርኣየካ ጐይታ ኢየሱስ፥ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልአካን ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅርፍቲ ዝበለ ረጊፉ ወደቐ ሳውል ከዓ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት፥ ንቑሩብ መዓልቲ ተቐመጠ። ሽዑ ድማ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ፥ “እዙይ ደኣ፥ እቲ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ስም ኢየሱስ ዝፅውዑ ዅሎም፥ ዘሳጕግ ዝነበረዶ ኣይኮነን? ናብዙይ መፂኡ ዘሎስ፥ ንኣኣቶም እናኣሰረ ናብ ሊቃነ ካህናት ምእንቲ ኽወስዶምዶ ኣይኮነን?” እናበሉ ተገረሙ። ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፤ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ኢየሱስ ብሓቂ፥ እቲ ክርስቶስ ከም ዝኾነ እናረድአ ይረትዖም ነበረ። ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ኣይሁድ ንሳውል ክቐትልዎ ሓቢሮም ተማኸሩ። ንሱ ግና ኽቐትልዎ ኸም ዝተማኸሩ ፈለጠ፤ ንሳቶም ድማ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ነቲ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ፥ ለይትን መዓልትን ይሕልውዎ ነበሩ። እንተ ኾነ፥ እቶም ደቀ መዛሙርት ብለይቲ ወሲዶም፥ ኣብ ቅርጫት ገይሮም ብቕፅሪ ኣውረድዎ። በርናባስ ግና፥ ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምፅኦ፤ ጐይታ ኣብ መንገዲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝተርኣዮን ከም ዝተዛረቦን፥ ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ብስም ኢየሱስ ከመይ ገይሩ፥ ብትብዓት ከም ዝመሃረን ነገሮም። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፥ ምስኣቶም ይኣቱን ይወፅእን ነበረ። ምስቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ ድማ፥ ይዛረብን ይከራኸርን ነበረ፤ ንሳቶም ግና ኽቐትልዎ ደለዩ። እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፤ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ። ጴጥሮስ ኣብ ኵሉ ኽዘውር እንተሎ፥ ናብቶም ኣብ ልዳ ዝነብሩ ቅዱሳን ወረደ። ኣብኡ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ዓራት ደቂሱ ዝነብር ሓደ ኤንያ ዝስሙ መፃጕዕ ረኸበ። ጴጥሮስ ድማ “ኤንያ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕውዩካ ኣሎ፤ ተስእ፥ ዓራትካ ኣንፅፍ” ኵሎም ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዝነብሩ ከዓ፥ ንእኡ ሪኦም ናብ ጐይታ ተመለሱ። ኣብ ከተማ ኢዮጴ ድማ፥ ጣቢታ በቲ ቕነ እቱይ ሓሚማ ሞተት፤ ሓፂቦም ድማ ኣብ ደብሪ ኣንበርዋ። ከተማ ልዳ ንኢዮጴ ቀረባ ነበረት፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ከዓ፥ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፥ ክልተ ሰባት ልኢኾም እንተይደንጐየ ኽመፆም ለመንዎ። ሽዑ ጴጥሮስ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ፥ ናብ ደብሪ ኣደየብዎ፤ ኵለን እተን መበለታት ከዓ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢለን እናበኸያ፥ እቲ ጣቢታ ብህይወት ምስኣተን እንተላ ብኢዳ ዝኣለመቶ ሽዑ ጴጥሮስ ንዅሎም ንደገ ኣውፂኡ፥ ተንበርኪኹ ፀለየ፤ ናብቲ ሬሳኣ ቘላሕ ኢሉ ኸዓ “ጣቢታ፥ ተስኢ” በላ፤ ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ ንጴጥሮስ ረአየቶ፤ ተሲኣውን ኮፍ በለት። ንሱ ኸዓ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኣ፤ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ፀዊዑ ድማ፥ ብጥዒታ ሃቦም። እዙይ ኣብ ኵሉ ኢዮጴ ተፈለጠ፤ ብዙሓት ከዓ ብጐይታ ኣመኑ። ጴጥሮስ ድማ፥ ኣብ ኢዮጴ ምስ ሓደ እንዳ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ስምኦን ዝስሙ፥ ንብዙሕ መዓልቲታት ተቐመጠ። ኣብ ቂሳርያ “ኢጣልያዊ ንሱ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሄር ዝፅሊ፥ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምፅዋት ዝምፅውት፥ ኵልሻዕ ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ። ብታሽዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ፥ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ብገሃድ ተርኣዮ፤ ናብኡ ኣትዩ “ቆርኔሌዎስ” በሎ። ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤ ሕዚ ኸዓ ናብ ኢዮጴ ሰባት ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ። ንሱ ምስቲ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ገዛኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፥ ጋሻ ኾይኑ ኣትዩ ኣሎ” በሎ። እቲ ዝዛረቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸዓ፥ ካብቶም ሓሻኽሩ ኽልተ፥ ካብቶም ዝሕልውዎ ወታደራት ከዓ፥ ሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀውዐ እሞ፥ ነቲ ዝኾነ ነገራት ኣረዲኡ፥ ናብ ኢዮጴ ለኣኾም። ብፅባሒቱ ንሳቶም ከይዶም፥ ጥቓ እታ ኸተማ ምስ በፅሑ፥ ጴጥሮስ ብሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ፥ ክፅሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። ሽዑ ስለ ዝጠመየ ኽበልዕ ደለየ፤ ምሳሕ ኸዳልዉሉ እንተለዉ ኸዓ ተመሰጠ። እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፊቱ፥ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል ነገር፥ ናብ ምድሪ ኣቢሉ እንትወርድ ረአየ። ኣብኡ ኸዓ ዅሎም ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኣራዊትን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ። ሽዑ “ጴጥሮስ ተስእ፤ ሓሪድካ ብላዕ” ዝብል ድምፂ መፆ። ጴጥሮስ ግና፥ “ጐይታ፥ ኣይኸውንን፤ ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈፂመ በሊዐ ኣይፈልጥን” መሊሱ ድማ ንኻልኣይ ጊዜ “ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ፥ ንስኻ ‘ኣይተርክሶ’ ” ዝብል ድምፂ መፆ። እዝ ነገር እዙይ ሰለስተ ሻዕ ኾነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ እቲ መጋረጃ ናብ ሰማይ ተወሰደ። ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ዝረአዮ ራእይ፥ “እንታይ ኮን ይኸውን” እናበለ ብልቡ ኽጭነቕ እንተሎ፥ እንሆ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ ዝተልኣኹ ሰባት “እንዳ ስምኦን ኣበይ እዩ” ኢሎም እናጠየቑ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ። ፀዊዖም ድማ፥ እቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ጋሻ፥ ኣብኡ እንተ ሃልዩ ጠየቑ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ራእይ ከስተንትን እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ “እንሆ ሰለስተ ሰባት ይደልዩኻ ኣለዉ፤ ኣነ እየ ልኢኸዮም እሞ፥ ተሲእኻ ውረድ፤ እንተይተጠራጠርካውን ምስኣቶም ኪድ” በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፥ “እንሆ እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብ ኣነ እየ፤ ስለ ምንታይ መፃእኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ቆርኔሌዎስ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ ዝተመስከረሉ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ፃድቕ ሰብኣይ፥ ናብ ገዛኡ ኽፅውዐካ፥ ካባኻ ድማ ቓል ክሰምዕ፥ ብቕዱስ መልኣኽ ተነጊርዎ ኣሎ” በልዎ። ብፅባሒቱ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ካብ ኢዮጴ ኸዓ፥ ውሑዳት ኣሕዋት ምስኡ ኸዱ። ብፅባሒቱ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከዓ፥ ኣዝማዱን ዝኣምኖም ፈተውቱን ኣኪቡ፥ ይፅበዮም ነበረ። ጴጥሮስ ክኣቱ እንተሎ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፤ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ድማ ሰገደሉ። ጴጥሮስ ግና “ተስእ፤ ኣነውን ከማኻ ሰብ እየ” እናበለ ኣተስኦ። ምስኡ እናተዛረበ ኣተወ፤ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ረኸበ። “ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብ፥ ምስ ካልእ ህዝቢ ኽሕወስ ወይ ናብ ገዛኣቶም ክኣቱ፥ ግቡእ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንኣይ ግና፥ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፅየፍ፥ ወይ ‘ርኹስ እዩ’ ኸይብል እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ። ምእንቲ እዙይ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፥ ሰጋእ እንተይበልኩ መፂአ ኣለኹ፤ እስኪ ንገሩኒ፥ ንምንታይ ኢኹም ዝፀዋዕኹምኒ?” በሎም። ቆርኔሌዎስ ድማ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ከምዛ እዋን እዚኣ ብታሽዐይቲ ሰዓት፥ ኣብ ገዛይ እፅሊ ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዘንፀባርቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለሞ፥ ‘ቆርኔሌዎስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑ፤ ምፅዋትካ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሪጉ እዩ። ስለዙይ ናብ ኢዮጴ ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ። ንሱ ኣብታ ገምገም ባሕሪ ዘላ ቤት፥ እንዳ እቲ ቘርበት ዘልፍዕ ስምኦን ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ምስ መፀ ሽዑ ኸዓ ናባኻ ለኣኽኩ፤ ንስኻ ድማ፥ ብምምፃእኻ ፅቡቕ ገበርካ። ሕዚ ኸዓ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተኣዘዝካዮ ዅሉ ምእንቲ ኽንሰምዕ፥ ኵላትና ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር እግዚኣብሄር በቲ ጐይታ ዅሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናብሰረ፥ ዝለኣኾ ቓል እዙይ እዩ፤ እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት፥ ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ይሁዳ ዝኾነ ነገር፥ ትፈልጥዎ ኢኹም። እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ፥ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንሕና ኸዓ፥ ናይቲ ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝገበሮ ምስክር ኢና። ንሳቶም ንእኡ ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። እግዚኣብሄር ግና፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተስኦ፤ ብገሃድ ንኽግለፅውን ሃቦ። ንሱ ዝተገልፀ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዘይኮነስ፥ ነቶም መሰኻኽር ምእንቲ ክኾኑ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንዝሓረዮም፥ ንኣና እዩ እምበር፤ ካብ ምዉታን ድሕሪ ምትሳኡ፥ እግዚኣብሄር ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ዝመደቦ፥ ንሱ ምዃኑ፥ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። ብእኡ ዝኣምን፥ ብስሙ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረክብ፥ ኵሎም ነቢያት መሰኻክሩ እዮም” በሎም። ጴጥሮስ ገና ነዝ ነገር እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ ኣብቶም ነዝ ቓል እዙይ ዝሰምዑ ዅላቶም፥ መንፈስ ቅዱስ ወረደ። እቶም ካብ ወገን ግርዘት ዝኾኑ፥ ምስ ጴጥሮስ ዝመፁ ኣመንቲ፥ እቶም ኣህዛብ ብቛንቋታት ክዛረቡን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ስለ ዝሰምዑ፥ ንኣህዛብ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተውሃቦም ተገረሙ። ሽዑ ጴጥሮስ “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፥ ብማይ ከይጥመቑ ክኽልክሎም ዝኽእል ደኣ መን እዩ?” በለ። ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ድማ ኣዘዞም፤ ድሕሪዙይ ንቑሩብ መዓልቲ ምስኣቶም ክቕኒ ንጴጥሮስ ለመንዎ። ጴጥሮስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመለሰ፥ እቶም ካብ ግሩዛት ወገን ዝኾኑ ኣመንቲ ኣይሁድ “ንስኻ ናብ ዘይተገረዙ ሰባት ኣቲኻ፥ ምስኣቶም በሊዕኻ ኢኻ” ኢሎም ነቐፍዎ። ጴጥሮስ ድማ፥ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኽነግሮም ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣነ ኣብ ከተማ ኢዮጴ ኽፅሊ እንተለኹ፥ ተመሰጥኩ እሞ፥ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል፥ ካብ ሰማይ ወሪዱ ናባይ መፀ። ናብኡ ኣትኲረ እንተ ጠመትኩ፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ኣራዊትን፥ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ረአኹ። ‘ጴጥሮስ፥ ተስእ፤ ሓሪድካ ብላዕ’ ዝብለኒ ድምፂ ኸዓ ሰማዕኹ። ኣነ ግና ‘ጐይታይ፥ ርኹስ ወይ ዘፀይፍ ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ኣይኸውንን’ በልኩ። ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ ንስኻ ኣይተርክሶ’ ዝብል ድምፂ፥ ካብ ሰማይ ሰማዕኹ። እዝ ነገርዙይ ሰለስተ ጊዜ ኾነ፤ መሊሱ ድማ፥ ኵሉ ናብ ሰማይ ተስሓበ። እንሆ ኸዓ ሽዑ፥ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፥ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዝነበርክዋ ገዛ ደው ኢሎም ነበሩ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ፥ እንተይተጠራጠርኩ ምስኣቶም ክኸይድ ነገረኒ፤ እዞም ሽዱሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፤ ናብ እንዳ ቆርኔሌዎስውን ኣተና። ንሱ ኸዓ፥ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፥ ‘ናብ ኢዮጴ ለኣኽ እሞ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀዊዕኻ ኣምፅኣዮ፤ ንስኻን ኵሉ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፥ ንሱ ኽነግረካ እዩ’ ኽብሎ እንተሎ ኸም ዝረአየ ነገረና። ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ድማ፥ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብኣቶምውን ወረደ። ሽዑ ነቲ ‘ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ እምበኣር ከምቲ ንኣና ብጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣመንና ዝሃበና፥ ኣምላኽ ማዕረና ገይሩ ውህብቶ ኻብ ሃቦም፥ ንእግዚኣብሄር ክኽልክሎ ዝኽእል ኣነ መን እየ!” በለ። ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ፥ “እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ድማ፥ ንህይወት ዝኸውን ንስሃ ሂብዎም ኣሎ” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ። ገሊኣቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀርኔንን ነበሩ፤ እዚኣቶም ናብ ኣንፆኪያ መፂኦም፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ሰበኹሎም። ነቶም ግሪካውያን እንተይተረፈ ነገርዎም። ኢድ ጐይታውን ምስኣቶም ነበረ፤ ብዙሕ ዝቝፅሮም ሰባት ድማ፥ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመለሱ። እዝ ወረ እዙይ ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰምዐ፤ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንፆኪያ ለኣኽዎ። ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብ ነበረሞ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብ ጐይታ ተመለሰ። በርናባስ ካብኡ ወፂኡ፥ ንሳውል ክደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ። ምስ ረኸቦ ናብ ኣንፆኪያ ኣምፅኦ፤ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ዓመት ምሉእ ሓቢሮም ነበሩ፤ ንብዙሕ ህዝቢ እውን መሃሩ፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ድማ ንፈለማ ጊዜ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ክርስቲያን ተብሂሎም ተፀውዑ። ሓደ ኻብኣቶም ኣጋቦስ ዝስሙ ተሲኡ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዙይ ዝኾነ ድማ ብዘመን ቀላውዴዎስ ቄሳር እዩ። ስለዙይ እቶም ደቀ መዛሙርት፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም፥ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት፥ ረድኤት ክሰዱሎም መደቡ። ነቲ ዝተዋፅአ ገንዘብ ድማ፥ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም፥ ናብቶም ሽማግለታት በቲ እዋን እቱይ ንጉስ ሄሮድስ፥ ንገሊኣቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከዓ፥ ብሰይፊ ቐተሎ። እዙይ ንኣይሁድ ከም ዘሐጐሶም ምስ ረአየ ድማ፥ ኣስዒቡ ንጴጥሮስ ሓዞ፤ ሽዑ ድማ ቕነ በዓል ቅጫ ነበረ። ምስ ሓዞ ኸዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፤ ድሕሪ ፋሲካ ናብ ህዝቢ ምእንቲ ኸውፅኦ ደልዩ፥ በበርባዕተ ኾይኖም ክሕልውዎ፥ ነርባዕተ ምድብ ወታደራት ኣሕሊፉ ሃቦ። ስለዙይ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፤ እታ ቤተ ክርስቲያን ግና፥ ምእንታኡ ተጊሃ፥ ናብ እግዚኣብሄር ትፅሊ ነበረት። ሄሮድስ ብፅባሒቱ፥ ንጴጥሮስ ናብ ፍርዲ ኸቕርቦ ሓሰበ። እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ጴጥሮስ፥ ኣብ መንጎ ኽልተ ወታደራት፥ ብኽልተ ሞቕሕ ተኣሲሩ ደቂሱ ነበረ። እቶም ወታደራትውን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኾይኖም፥ ይሕልዉ ነበሩ። እንሆ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብኡ ወሪዱ ተርኣየ፤ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ብርሃን በርሀ፤ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ጐኑ ነኺኡ “ቐልጢፍካ ተስእ!” በሎ፤ እተን መዋቕሕ ድማ፥ ካብ ኣእዳዉ ወደቓ። እቲ መልኣኽ ከዓ “ተዓጠቕ! ኣሳእንካውን ኣእቱ!” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ መልኣኽ ከዓ “ክዳንካ ተኸደን እሞ ሰዓበኒ!” በሎ። ጴጥሮስውን ወፂኡ ሰዓቦ። እንተ ኾነ ዝሓልም ዘሎ ደኣ ይመስሎ ነበረ እምበር፥ እቲ መልኣኽ ብውነ ዝተርኣዮ ምዃኑ፥ ኣይፈልጥን ነበረ። ነቶም ነታ ቐዳመይትን ካልአይትን ማዕፆ ዝሕልዉ ምስ ሓለፉ፥ ናብታ ናብ ከተማ እተምርሕ፥ ማዕፆ ሓፂን በፅሑ፤ ሽዑ ባዕላ ተኸፍተት። ወፂኦም ድማ ሓንቲ መንገዲ ሓለፉ፤ ሽዑ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ሓደጎ። ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመለሰ ድማ “እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፥ ካብ ኢድ ሄሮድስን፥ ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ዅሉን፥ ከም ዘድሓነኒ ሕዚ ብሓቂ ፈለጥኩ” በለ። ምስ ተፈለጦ፥ ብዙሓት ተኣኪቦም ይፅልዩሉ ናብ ዝነበሩ፥ ናብ ቤት ማርያም እኖ እቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ከደ። ጴጥሮስ ነቲ ማዕፆ ኣፍ ደገ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሮዳ እትበሃል ኣገልጋሊት ክትሰምዖ ወፀት። ንሳ ድምፂ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፥ ካብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ነቲ ማዕፆ እንተይከፈተት፥ ናብ ውሽጢ ጐየየት፤ “ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኣሎ” ኢላ ነገረቶም። ንሳቶም ግና፥ “ዓቢድኪ ዲኺ” በልዋ። ንሳ ግና፥ ብሓቂ ንሱ እዩ ኢላ ኣረጋገፀት። ሽዑ “መልኣኹ እዩ ዝኸውን” በሉ። ጴጥሮስ ግና መላሊሱ ይዅሕኵሕ ነበረ። ምስ ከፈቱ ረአይዎ እሞ ተገረሙ። ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ፥ “ነዝ ነገርዙይ ንያእቆብን፥ ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም” በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ። ምስ ወግሐ እቶም ወታደራት “ጴጥሮስ እንታይ ረኺብዎ?” እናበሉ የመና ተሸበሩ። ሄሮድስ ድማ፥ ንጴጥሮስ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፥ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኽቕተሉ ኣዘዘ። ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ድማ፥ ኣብኣ ቐነየ። ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን፥ ብርቱዕ ፅልኢ ነበሮ። እንተ ኾነ ሃገሮም ምግቢ እትረኽቦ፥ ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፥ ንበላስጦን ኣዛዚ ቤት ንጉስ ኣእሚኖም፥ ዕርቂ ኽልምኑ ተሰማሚዖም፥ ናብ ሄሮድስ መፁ። በታ ምድብቲ መዓልቲ፥ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ፥ ኣብ ዙፋን ተቐመጠ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ ዘረባ ኣስምዖም። እቶም ህዝቢ ድማ ዓው ኢሎም “እዙይስ ድምፂ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ድምፂ ሰብ ኣይኮነን” በሉ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስለ ዘይሃበ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ሓሲኹ ኸዓ ሞተ። ኣብታ ኣብ ኣንፆኪያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቢያትን መምህራንን ነበሩ። ንሳቶም ከዓ በርናባስን፥ እቲ “ፀሊም” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ስምኦንን፥ ሉቅዮስ ቀሬናውን፥ ምስ ገዛኢ ርባዕ ክፍሊ ዝኾነ ሄሮድስ ዝዓበየ ምናሄን ሳውልን ነበሩ። እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር እናገልገሉን እናፆሙን እንተለዉ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ “ንበርናባስን ሳውልን፥ ነቲ ኣነ ዝመረፅክዎም ኣገልግሎት ፍለዩለይ” በሎም። ምስ ፆሙን ምስ ፀለዩን፥ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ኣፋነውዎም። ንሳቶም ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም፥ ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፤ ካብኡ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። ኣብ ስልማና ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ቃል እግዚኣብሄር መሃሩ፤ ዮሃንስውን ይሕግዞም ነበረ። ነታ ደሴት ብምልእታ ኣቋሪፆም ኣብ ጳፉ ምስ በፅሑ፥ ሓደ ጠንቋሊ ሰብኣይ፥ ናይ ሓሰት ነቢይ፥ በርያሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ረኸቡ። ንሱ ምስቲ መስተውዓሊ ሰብኣይ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝበሃል ሹም ይነብር ነበረ፤ ሰርግዮስ ጳውሎስ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዕ ደልዩ ንበርናባስን ንሳውልን ናብኡ ፀውዖም። ግና ብቛንቋ ግሪክ ኤሊማስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጠንቋሊ፥ ነቲ ሹም ካብ ምእማን ክኽልክሎ ደልዩ፥ ንበርናባስን ንሳውልን ተቓወሞም። እቲ ጳውሎስ ዝተብሃለ ሳውል ግና፥ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኣትኲሩ ጠመቶ እሞ፥ “ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልአካ ወዲ ዲያብሎስ ፀላኢ ዅሉ ፅድቂ፥ ነቲ ቕኑዕ መንገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥምዛዝዶ ኣይትዓርፍን? ሕዚ እውን እንሆ፥ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፤ ክትዓውር፥ ንጊዜኡውን ፀሓይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ፥ ጣቓን ፀልማትን ወደቖ፤ ኣብዙይን ኣብቱይን ሃሰስ እናበለ ድማ፥ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ደለየ። ሽዑ እቲ ሹም፥ ነቲ ዝኾነ ነገር ምስ ረአየ፥ ብትምህርቲ ጐይታ ተደኒቑ ኣመነ። ድሕሪዙይ ጳውሎስን ብፆቱን፥ ካብ ጳፉ ተልዒሎም፥ ብመርከብ ናብ ጴርጌን ናይ ጵምፍልያ መፁ። ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሃንስ ከዓ፥ ካብኣቶም ተፈልዩ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። ንሳቶም ግና ኻብ ጴርጌን ሓሊፎም፥ ናብታ ኣብ ጲስድያ እትርከብ ኣንፆኪያ መፁ፤ ብመዓልቲ ሰንበት፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ፥ እቶም መራሕቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንህዝቢ ዝጠቅም ቃል ምዕዳን እንተ ሃልዩኩም ተናገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም። “ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን ስምዑ። ኣምላኽ ህዝቢ እስራኤል፥ ነቦታትና ሓረዮም፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ተሰዲዶም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ነቲ ህዝቢ ልዕል ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓብዪ ሓይሉ ድማ፥ ካብኣ ኣውፅኦም። ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ከዓ፥ ኣብ በረኻ ፆሮም። ካብ ምድሪ ከነዓን ሸውዓተ መንግስታት ኣጥፊኡ ኸዓ፥ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም። ድሕሪዙይ ክሳዕ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል፥ ንኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ዝኣክል፥ መሳፍንቲ ሸመሎም። ብድሕሪዙይ ንጉስ ከንግሰሎም ለመኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ነገድ ብንያም ንዝኾነ ሳኦል ወዲ ቂስ፥ ነርብዓ ዓመት ኣንገሰሎም። እግዚኣብሄር ንሳኦል ምስ ሰዓሮ ድማ፥ ንዳዊት ኣንገሰሎም፤ ‘ከም ልበይ ዝኾነ ሰብ፥ ኵሉ ፍቓደይ ዝገብር ንዳዊት ወዲ እሴይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸዓ መስከረሉ። እግዚኣብሄር ከምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ነቲ መድሓኒ እስራኤል ዝኾነ ኢየሱስ ለኣኾ። ቅድሚ ምምፃኡውን፥ ዮሃንስ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ንንስሃ ዝኸውን ጥምቀት ሰበኸ። ዮሃንስ ከዓ ተልእኾኡ እንትፍፅም፥ ‘ኣነ መን እመስለኩም? ኣነኮ ክርስቶስ ኣይኮንኩን፤ እቲ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ፥ ካብ ኣእጋሩ ኽፈትሕ ዘይበቅዕ፥ እንሆ ንሱ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ’ በለ። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ኣሕሉቖምን ግና፥ ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ ሰንበት ሰንበት ዘንብብዎ ቓል ነቢያት እንተየስተውዓሉ፥ ምእንቲ ቓል መፃሕፍቲ ኽፍፀም ንሞት ፈረድዎ። ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እኳ እንተ ዘይረኸቡሉ፥ ክቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ። ኹሉ ነቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ምስ ፈፀሙ ኸዓ፥ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተውዎ። እግዚኣብሄር ግና ካብ ምዉታን ኣተስኦ። ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡን፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መሰኻኽሩ ኾይኖም ንዘለዉን፥ ብዙሕ መዓልቲ ተርኣዮም። “ንሕና ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ነቦታትና ኣተስፍይዎም ዝነበረ፥ ነብስረኩም ኣለና። ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ እግዚኣብሄር ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝትስእ ብምግባር፥ ኣባና ኣብ ደቆም፥ ነዝ ተስፋ እዙይ ፈፀሞ። ኢሉ ዝተዛረቦ፥ መሊሱ ምብስባስ ከይርኢ ኻብ ምዉታን ኣተስኦ። ይብል። ዳዊት ግና ብዘመኑ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ። እቲ እግዚኣብሄር ዘተስኦ ግና፥ ምብስባስ ኣይረአየን። እምበኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ እዝ እንነግረኩም መልእኽቲ፥ ‘ስርየት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ዅሉ፥ ብሕጊ ሙሴ ኽፀድቕ ዘይተኽኣሎ፥ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ። ኣባኻትኩም ከይፍፀም ተጠንቀቑ።” ጳውሎስን በርናባስን፥ ካብቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ክወፁ እንተለዉ ኸዓ፥ በታ እትመፅእ ሰንበትውን፥ ነዝ ቓል እዙይ ደጊሞም ክነግርዎም ለመንዎም። እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ፥ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣህዛብን፥ ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከዓ ተዛረብዎም፤ ኣብ ፀጋ እግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም። በታ ኻልአይቲ ሰንበት ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ፥ ዳርጋ ዅሎም ተኣከቡ። ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ምስ ረአዩ፥ ቅንኣት ሓደሮም፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ተቓወምዎ፤ ፀረፍዎውን። ጳውሎስን በርናባስን ከዓ ተቢዖም፥ ከምዙይ እናበሉ ተዛረቡ፦ “ቃል እግዚኣብሄር፥ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣበኹምዎን፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም፥ ባዕልኻትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፥ እንሆ ገፅና ናብ ኣህዛብ ንምልስ ኣለና። ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ።” ቃል እግዚኣብሄር ኣብታ ሃገር ብምልእታ በፅሐ። ኣይሁድ ግና፥ ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሓ ኽቡራት ኣንስትን፥ ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣለዓዓልዎም፤ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስንውን፥ ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጕዎም። ንሳቶም ከዓ፥ ንስምዕታ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፥ ናብ ኢቆንዮን ከዱ። ደቀ መዛሙርትውን፥ ብታሕጓስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ። ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዮን፥ ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እቶም ምእማን ዝኣበዩ ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ብፅልኢ ኸም ዝለዓዓሉ ገበርዎም። ጳውሎስን በርናባስን ግና፥ ብዛዕባ ጐይታ ብትብዓት እናነገሩ ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ተቐመጡ። ጐይታ ኸዓ በቲ በእዳዎም ክገብርዎ ዝህቦም ዝነበረ ምልክትን ተኣምራትን፥ ነቲ ናይ ፀጋኡ ቓል የፅንዖ ነበረ። ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኮይኖም ኣብ ክልተ ተኸፈሉ። ኣህዛብን ኣይሁድን ከዓ፥ ምስ መራሕቶም ኮይኖም፥ ከሳቕይዎምን ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎምን ተልዓሉ። ሃዋርያት ድማ እዙይ ምስ ፈለጡ፥ ናብ ሊቃኦንያ፥ ልስጥራን፥ ደርቤን ዝበሃላ ኸተማታትን፥ ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ሃገርን ሃደሙ። ኣብኡ ኸዓ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። ኣብ ልስጥራን እግሩ ዝሰለለ፥ መፃጕዕ ኮይኑ ዝተወለደ፥ ፈፂሙ ኽወሳወስ ዘይኽእል ሓደ ሰብ ተቐሚጡ ነበረ። እዝ ሰብዙይ ጳውሎስ ክዛረብ እንተሎ ይሰምዕ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ኣትኵሩ ጠመቶ፤ ክሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ሪኡ ድማ፥ ብዓብዪ ድምፂ፦ “ቀጥ ኢልካ በእጋርካ ደው በል!” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ብድድ ኢሉ ይመላለስ ነበረ። ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረአዩ፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፥ “ኣማልኽቲ ሰብ ተመሲሎም፥ ናባና ወሪዶም” በሉ። ንበርናባስ “ድያ” ካህን ናይታ ኣብ ማዕዶ ኸተማ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ድያ ድማ፥ ኣብዑርን ጕንጕን ዕምበባን፥ ናብቲ ኣፍ ደገ ኣምፂኡ፥ ምስቶም ህዝቢ ኾይኑ ኽስውአሎም ደለየ። እንተ ኾነ እቶም ሃዋርያት በርናባስን ጳውሎስን፥ እዙይ ምስ ሰምዑ ሓዚኖም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ እናእወዩ ድማ ናብቶም ህዝቢ ኣቢሎም ጐየዩ፤ ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና። ብዝሓለፈ ዘመናት፥ እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣህዛብ፥ በብዝደለይዎ መንገዲ ክኸዱ ሓደጎም። ምስዙይ ከዓ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ፥ ካብ ሰማይ ዝናምን ወርሓት ፍርያትን እናሃበ፥ ብምግብን ብሓጐስን ንልብና እናመልአ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ንባዕሉ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።” ነዝ ዅሉ ተዛሪቦም ድማ፥ እቶም ህዝቢ ኸይስውኡሎም፥ ብግዲ ኣሕደግዎም። ኣይሁድ ግና፥ ካብ ኣንፆኪያን ካብ ኢቆንዮንን መፂኦም፥ ነቶም ህዝቢ ሓበልዎም። ንጳውሎስ ከዓ ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ዝሞተ መሲልዎም ድማ፥ ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኣውፅእዎ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዙርያኡ ደው ምስ በሉ ኸዓ፥ ብድድ ኢሉ ናብ ከተማ ኣተወ፤ ንፅባሒቱ ድማ ምስ በርናባስ፥ ናብ ደርቤን ከደ። ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ደርቤን እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርት ኣፍረዩ፤ ናብ ልስጥራንን ናብ ኢቆንዮንን ናብ ኣንፆኪያን ተመለሱ። “ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክንኣቱ ዝግብአና፥ ብብዙሕ መከራ እዩ” እናበሉ ነቶም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዕዎም፤ ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ፥ ሽማግለታት ብጲስድያ ሓሊፎም ናብ ጵምፍልያ መፁ። ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ መሃሩ ናብ ኣጣልያ ወረዱ። ካብኣ ኸዓ፥ ናብ ነቲ ዝፈፀምዎ ስራሕ፥ ንፀጋ እግዚኣብሄር ሓደራ ዝተወፈዩላ ዓዲ፥ ናብ ኣንፆኪያ ብመርከብ ተሳገሩ። ናብኣ ምስ በፅሑ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረሎምን ንኣህዛብ ከዓ፥ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም። ምስቶም ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጡ። ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን፥ ፅልእን ክርክርን ምስ ኮነ፥ ጳውሎስን በርናባስን ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ሽዑ ንሳቶም ካብታ ቤተ ክርስቲያን ምስተልኣኹ፥ እቶም ኣህዛብ ከመይ ኢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለሱ እናነገርዎም፥ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ፤ እዙይ ከዓ ንዅሎም ኣሕዋት ኣሐጐሶም። ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ድማ፥ እታ ቤተ ክርስቲያንን ሃዋርያትን ሽማግለታትን ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ተሲኦም “ኣህዛብ ክግረዙን፥ ሕጊ ሙሴ ኽሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ። እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብ መጀመርታኡ፥ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ክሰምዑን ክኣምኑን፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ልቢ ዝፈልጥ ኣምላኽ፥ ከምቲ ንኣና ዝሃበና፥ ንኣኣቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ፥ ከም ዝተቐበሎም መስከረሎም። ልቦም ብእምነት ስለ ዘንፅሀ፥ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኣቶምን፥ ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። እምበኣርከስ፥ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ኽንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑት፥ ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርት ብምፅዓን፥ ስለ ምንታይ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ? ንሕናውን ከምኣቶም፥ ብፀጋ ጐይታና ኢየሱስ፥ ከም እንድሕን ኢና እነኣምን” በሎም። ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ምልክትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከም ዝገበረ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ፅን ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ። ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸዓ ያእቆብ፦ “ኣቱም ኣሕዋትና ስምዑኒ፦ ኣምላኽ፥ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኸቕውም፥ ቅድም ንኣህዛብ ከመይ ገይሩ ኸም ዝበፅሖም፥ ስምኦን ተናጊሩ ኣሎ። “እዝ ነገር እዙይ፥ ምስቲ ቓል ነቢያት ዝሰማማዕ እዩ፤ ከምቲ ፅሑፍ ዝብሎ፦ ነቲ ዑናኣ ኸዓ መሊሰ ኽሓንፆን ከቑሞን እየ፤ ይብል ነዙይ ዝገብር ጐይታ። “እምበኣርከስ፥ ነቶም ካብ ኣህዛብ፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝምለሱ ዘለዉ፥ ኣይነኽብደሎም። እኳ ደኣ ‘ንጣዖታት ብዝተሰውአ ኸይረኽሱ፥ ካብ ዝሙት፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ደምን፥ ካብ ምብላዕ ተኸልከሉ’ ነዝ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤተ ፀሎቶም፥ ሕጊ ሙሴ ስለ ዝንበብ፥ ኣብ ኵሉ ዓዲ ዝሰብክዎ ኣለዉ” በሎም። ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን፥ ምስ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ምስ ጳውሎስን በርናባስን፥ ናብ ኣንፆኪያ ዝሰድዎም ሰባት፥ ካብ መንጎኣቶም ክመርፁ ተሰማምዑ፤ ስለዙይ ከዓ ነቶም ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ካብ ዝነበሩ ዋናታት፥ በርሰባስ ዝብልዎ ይሁዳን ሲላስን መረፁ። “ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትኩምን፥ ነቶም ኣብ ኣንፆኪያን፥ ኣብ ሶርያን፥ ኣብ ቂልቂያን፥ ካብ ወገን ኣህዛብ ንዘለኹም ኣሕዋት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ስለዙይ ምስ እዞም እነፍቅሮም፥ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ዝወፈዩ፥ በርናባስን ጳውሎስን፥ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንመርፅ ብሓደ ዄንና መኸርና። እንሆ ድማ ነዝ ነገር እዙይ፥ ካብ ኣፎም ምእንቲ ኽትሰምዕዎ ንይሁዳን ንሲላስን ሰዲድናልኩም ኣለና። እንትርፊ እቲ ዝተገብአ፥ ሕልፊ ሸክሚ ኸይነኽብደልኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስን፥ ንኣናን ተርእዩና ኣሎ። እምበኣር ንርእስኹም፥ ንጣዖት ካብ ዝተሰውአ ምግብን፥ ካብ ደምን፥ ካብ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ። እቶም ልኡኻት ምስ ተፋነዉ፥ ናብ ኣንፆኪያ ወረዱ፤ ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም ከዓ፥ ነቲ መልእኽቲ ሃብዎም። ንሳቶም ከዓ ምስ ኣንበብዎ፥ በቲ ዘፀናንዕ መልእኽቲ ተሓጐሱ። ይሁዳን ሲላስን ድማ፥ ነቢያት ስለ ዝነበሩ፥ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዓድዎምን ኣተባብዕዎምን። ብዙሕ መዓልቲ ምስኣቶም ምስ ቀነዩ ኸዓ፥ እቶም ኣሕዋት ብሰላም ኣፋንዮም፥ ናብ ሃዋርያት ሰደድዎም። ሲላስ ግና ኣብኡ ኽተርፍ ደለየ። ጳውሎስን በርናባስን ኸዓ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ተረፉ፤ ምስ ካልኦት ብዙሓት ኮይኖም ድማ፥ ቃል ጐይታ ይምህሩን ይሰብኩን ነበሩ። በርናባስ ከዓ፥ ነቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ምስኣቶም ክማልኦ ደለየ። ጳውሎስ ግና፥ ማርቆስ ኣብ ጵምፍልያ ኻብኣቶም ስለ ዝተፈለየን፥ ናብቲ ኣገልግሎት ድማ ምስኣቶም ስለ ዘይመፀን፥ ክማልኦ ኣይደለየን። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኣብ መንጎኣቶም ዘይምስምማዕ ስለ ዝተፈጠረ ተፈላለዩ፤ በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ፥ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። ጳውሎስ ግና ንሲላስ መረፀ፤ እቶም ኣሕዋት ንፀጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕፀንዎ ድማ ኻብኡ ኸደ። ብሶርያን ብኪልቅያን እናተዘዋወረ፥ ነተን ኣብያተ ክርስቲያን ኣበረታትዐን። ካብኡ ጳውሎስ፥ ኣብ ደርቤንን ኣብ ልስጥራንን በፅሐ፤ ኣብኡ ኸዓ፥ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ኣማኒት ሰበይትን፥ ካብ ሓደ ግሪካዊ ሰብኣይን ዝተወለደ፥ ጢሞቴዎስ ዝበሃል ደቀ መዝሙር ነበረ። እቶም ኣብ ልስጥራንን ኣብ ኢቆንዮንን ዝነበሩ ኣሕዋት፥ ፅቡቕ ይምስክሩሉ ነበሩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኽወስዶ ደለየ፤ ኣቦኡ ግሪካዊ ምዃኑ ዅላቶም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፥ ምእንቲ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገረዞ። ኣብ ዘዝኣተዉዋ ኸተማ ኸዓ፥ ነቲ ሃዋርያትን ሽማግለታትን እተን ኣብያተ ክርስቲያን ከዓ ብእምነት ፀንዓ፤ ቍፅረን ድማ፥ በብመዓልቱ ይውስኽ ነበረ። ኣብ ሚስያ ምስ በፅሑ፥ ናብ ቢታንያ ክኸዱ ደለዩ፤ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። ስለዙይ ካብ ሚስያ ሓሊፎም፥ ናብ ጢሮኣዳ ወረዱ። ጳውሎስ ከዓ፥ ብለይቲ ሓደ በዓል መቄዶንያ ሰብኣይ፥ ደው ኢሉ “ናባና ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድአና” እናበለ፥ ክልምኖ እንተሎ ራእይ ረአየ። እዙይ ምስ ረአየ፥ ወንጌል ክንሰብከሎም እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዐና ስለ ዝፈለጥና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደለና። ሽዑ ኻብ ጢሮኣዳ ብመርከብ ምስ ከድና፥ ቀኒዕና ናብ ሳሞትራቄ ኣምራሕና፤ ንፅባሒቱ ድማ ናብ ናጱሌ ኸድና። ካብኣ ድማ፥ ናብታ ክፍለ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን፥ ግዝኣት ሮምን ዝኾነት ፊልጵስዩስ ኣተና፤ ኣብኣ ኸዓ ብዙሕ መዓልቲ ቐነና። ብመዓልቲ ሰንበት ድማ፥ ካብ ቅፅሪ እታ ኸተማ ወፂእና፥ ኣብቲ ጥቓ ገምገም ሩባ፥ ቤተ ፀሎት ስለ ዝነበረ፥ ናብኡ ኸድና፤ ኣብኡ ኾፍ ኢልና ኸዓ፥ ነተን ኣብኡ ዝተኣከባ ኣንስቲ ኽንነግረን ጀመርና። ልድያ እትበሃል፥ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ፥ በዓልቲ ኸተማ ትያጥሮን፥ ሸያጢት ቀይሕ ሓሪ ድማ፥ ትሰምዕ ነበረት፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኽተስተውዕል ድማ፥ ጐይታ ልባ ኸፈተላ። ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠመቐት ከዓ “ብጐይታ ኸም ዝኣመንኩ እንተ ደኣ ተቐቢልኩምኒ ዄንኩምስ፥ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ሕደሩ” ኢላ ለመነትና፤ ግዲውን በለትና። ናብ ቤተ ፀሎት ክንከይድ እንተለና፥ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ፥ ንጐይቶታ ኸዓ በቲ ጥንቈላኣ ብዙሕ እቶት እተእትወሎም ዝነበረት፥ ግዝእቲ ጓል ረኸበትና። ንሳ ኸዓ ደድሕሪ ጳውሎስን ደድሕሬናን እናሰዓበት “እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ኣገልገልቲ ልዑል እግዚኣብሄር እዮም፤ መንገዲ ምድሓን ይምህሩኹም ኣለዉ” እናበለት፥ ዓው ኢላ ትዛረብ ነበረት። ነዝ ነገር እዙይውን፥ ብዙሕ መዓልቲ ደጋገመቶ፤ ጳውሎስ ድማ ብዙሕ ጊዜ ምስ ኣትከረቶ፥ ምልስ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ፥ “ካብኣ ኽትወፅእ፥ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዘካ ኣለኹ” በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወፀ። ኣብ ቕድሚ እቶም ሮማውያን ሰብ ስልጣን ደው ኣቢሎምውን፥ ከምዙይ ኢሎም ከሰስዎም፦ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፤ ንኸተማና ኸዓ ይህውኽዋ ኣለዉ፤ ንሕና ሮማውያን፥ ክንቅበሎ ኾነ ኽንገብሮ ዘይግብአና ስርዓት፥ ይምህሩ ኣለዉ።” እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተሲኡ ተበኣሶም፤ እቶም ሰብ ስልጣን ድማ፥ ክዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኽወቕዕዎም ኣዘዙ። ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፤ ነቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ኣፅኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ። ንሱ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ተቐበለ ኸዓ፥ ናብቲ ውሽጥ ዝበለ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቝሕ፥ ኣብ ጕንዲ ኣፅኒዑ ኣሰሮም። ብድንገት ድማ፥ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዝናወፅ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ኮነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ መዓፁ ተኸፍተ፤ ናይ ኵላቶም መዋቕሕውን ተፈትሐ። እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ፥ መዓፁ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ምስ ረአየ፥ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፥ ሰይፉ መዚዙ ባዕሉ ንባዕሉ ኽቐትል ደለየ። ጳውሎስ ግና ዓው ኢሉ “ኣብ ባዕልኻ ኽፉእ ኣይትግበር፤ ኵላትና ኣብዙይ ኣለና” በሎ። ንሱ ድማ “መብራህቲ ኣምፅኡለይ” ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፤ እናንቀጥቀጠውን፥ ኣብ ቕድሚ ጳውሎስን ሲላስን ፍግም ኢሉ ሰገደ። ናብ ደገ ኣውፂኡ ድማ “ጐይቶተይ! ምእንቲ ኽድሕንስ፥ እንታይ ክገብር ይግብአኒ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እመን፤ ንስኻን ስድራኻን ድማ፥ ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ። ንእኡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ኣብ ገዛኡ ዝነበሩን ድማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ ወሲዱ፥ ቍስሎም ሓፀበሎም፤ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ኸዓ ተጠመቐ። ናብ ገዛኡ ወሲዱ ድማ፥ ማእዲ ቐረበሎም፤ ብእግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነውን፥ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ። ምድሪ ምስ ወግሐ፥ እቶም ሰብ ስልጣን “ነቶም ሰባት ፈቲሕኻ ስደዶም” ኢሎም፥ ሓሻኽር ለኣኹሉ። እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ “እቶም ሰብ ስልጣን ‘ፍትሕዎም’ ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ፥ ሕዚ እምበኣር ወፂእኹም ብሰላም ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ። ጳውሎስ ግና፥ “ንሕና ሮማውያን እንተለና፥ ብዘይ ፍርዲ ብገሃድ ገሪፎም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ፥ ሕዚዶ ብሕቡእ ክሰዱና? ባዕልቶም ደኣ መፂኦም የውፅኡና እምበር፥ እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ” በሎም። እቶም ሓሻኽር ድማ፥ ነቶም ሰብ ስልጣን፥ ነዝ ነገር እዙይ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ፥ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርሑ። መፂኣቶም ከዓ “ይቕረ በሉልና” ኢሎም ኣውፅእዎም፤ ካብታ ኸተማ ኽወፁ ኸዓ ለመንዎም። ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም፥ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኸብዎም ድማ፥ ኣፀናኒዖምዎም ካብኡ ወፁ። ጳውሎስን ሲላስን ብኣንፊጶልን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም፥ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ጳውሎስ ከምቲ ልማዱ ናብኣቶም ኣትዩ፥ ሰለስተ ሰንበት ካብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ እናጠቐሰ፥ ከረድኦም ቀነየ። ክርስቶስ መከራ ኽቕበልን፥ ካብ ምዉታን ክትስእ ከም ዘለዎውን፥ ይገልፀሎምን የረድኦምን ነበረ። “እዝ ኣነ ዝሰብከልኩም ዘለኹ ኢየሱስ፥ ንሱ ክርስቶስ እዩ” ኸዓ ይብል ነበረ። ካብኣቶምውን ገሊኣቶም፥ ኣሚኖም ንጳውሎስን ሲላስን ዝተኸተሉ ነበሩ፤ ብዙሓት ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዘምልኹ ግሪካውያንን፥ ብዙሓት ፍሉጣት ኣንስትን ድማ ኸምኡ ገበሩ። እቶም ኣይሁድ ምስ ሰኣንዎም ግና፥ ንኢያሶንን ንገሊኣቶም ኣሕዋትን እናጐተቱ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኣቕረብዎም፤ “እዞም ንዓለም ዝሃወኹ ናብዙይ ከዓ መፂኦም ኣለዉ። ኢያሶን ከዓ ኣብ ገዛኡ ተቐቢልዎም ኣሎ፤ ንሳቶም ‘ኢየሱስ ዝበሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ’ እናበሉ፥ ንትእዛዝ ቄሳር ይፃረሩ ኣለዉ” ኢሎም ከሰስዎም። እቶም ህዝብን ኣሕሉቕ እታ ኸተማን፥ ነዙይ ምስ ሰምዑ ተጨነቑ። ንኢያሶንን ነቶም ካልኦት ብፆቱን፥ ዋሕስ ኣቝፂሮም ሰደድዎም። ሽዑ ንሽዑ እቶም ኣሕዋት፥ ንጳውሎስን ንሲላስን፥ ብለይቲ ናብ ቤርያ ኸም ዝኸዱ ገበርዎም፤ ኣብኡ ምስ በፅሑ ድማ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተዉ። እቶም ሰብ ቤርያ፥ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝቕመጡ ኣይሁድ፥ ብዝበለፀ ዘስተውዕሉ ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ፤ እዝ ነገር እዙይ ከምኡ እንተ ኾይኑ ንኽፈልጡ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ በብመዓልቱ ይምርምሩ ነበሩ። ስለዙይ ብዙሓት ካብኣቶም ኣመኑ፤ ካብቶም ግሪካውያን ድማ፥ ብዙሓት ክቡራት ኣንስትን ብዙሓት ግሪካውያን ሰብኡትን ኣመኑ። እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ቓል እግዚኣብሄር ከም ዝመሃረ ምስ ፈለጡ፥ ናብኡ መፂኦም ነቲ ህዝቢ ሃወኹዎ። ሽዑ እቶም ኣሕዋት፥ ንጳውሎስ ቀልጢፎም ክሳዕ ባሕሪ ኣፋነውዎ፤ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብ ቤርያ ተረፉ። እቶም ንጳውሎስ ዘፋነውዎ ሰባት፥ ክሳዕ ኣቴና ኣብፅሕዎ፤ “ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ይስዓቡኒ” ዝብል መልእኽቲ ሒዞም ድማ፥ ናብ ቤርያ ተመለሱ። ስለዙይ ኣብ ቤተ ፀሎት፥ ምስ ኣይሁድን ምስቶም ምስ ኣይሁድ ዘምልኹ ግሪካውያንን፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን፥ ይከራኸሮም ነበረ። ገሊኣቶም ካብ ኤጲቆሮስን እስጦኢኮን ዝኾኑ ፈላስፋታት፥ ምስኡ ይካትዑ ነበሩ፤ ገሊኣቶም ድማ “እዝ ለፍላፊ፥ እንታይ ኮን ክብል ደልዩ እዩ?” በሉ። ገሊኣቶም፥ ጳውሎስ ብዛዕባ ኢየሱስን፥ ትንሳኤ ሙታንን ስለ ዝሰበኸሎም፥ “ብዛዕባ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ዝምህር ዘሎ እባ ደኣ ይመስል” በሉ። ስለዙይ ንጳውሎስ ናብቲ ኣርዮስፋጎስ ዝተብሃለ መጋባእያ ወሲዶም፦ “እዝ ንስኻ እትምህሮ ዘለኻ ሓድሽ ትምህርትስ፥ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና? ሓድሽ ነገር ኣብ እዝንና ተስምዐና ኣለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ስለ ዝደለና ንገረና” በልዎ። ኵሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዝነብሩ ኻልኦትን ግና፥ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኮይኑ፥ ንኻልእ ጉዳይ ጊዜ ኣይነበሮምን። ሽዑ ጳውሎስ ኣብቲ ማእኸል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሰብ ኣቴና፥ ብዅሉ ነገርኩም፥ ብሃይማኖት ከም እትግደሱ እርኢ ኣለኹ። እናዞርኩ እቲ እተምልኽዎ ጣዖትኩም ክርኢ እንተለኹ፥ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዝብል ዝተፅሓፎ መሰውኢ ረኸብኩ፤ እምበኣርከስ ብዛዕባ እዝ እንተይፈለጥኩም እተምልኽዎ ኣምላኽ፥ ንእኡ ኣፍልጠኩም ኣለኹ። ንሱ እቲ ዓለምን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ ኣምላኽ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ፤ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ መቕደስ ኣይነብርን እዩ። ንሱ ህይወትን እስትንፋስን፥ ዘድሊ ዅሉ ነገራትን፥ ንዅሉ ሰብ ዝህብ ስለ ዝኾነ፥ ዝጐድሎ ነገር የብሉን፤ ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልን እዩ። ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ፥ ኵሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ፤ ኣብ ዅላ ምድሪ ኸም ዝነብሩ ድማ ገበረ፤ እቲ ዝነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ቦታን መደበሎም። እዙይ ከዓ፥ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ እንተሎስ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽደልይዎን፥ ምናልባሽውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኽረኽብዎን ኢሉ ገበሮ። ብእኡ ኸዓ ኢና ዘለና’ እግዚኣብሄር ነቲ ዘመን ድንቍርና፥ ሸለል ኢሉ ኣሕሊፍዎ ኣሎ። ሕዚ ግና፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ፥ ክንሳህ ኣዚዙ ኣሎ። በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም። ሽዑ ጳውሎስ ካብ ማእኸሎም ወፂኡ ኸደ። ገሊኣቶም ሰባት ከዓ፥ ኣሚኖም ሰዓብዎ፤ ንሳቶም ድማ፥ ሓደ ኻብቶም ናይ ኣርዮስፋጎስ ባይቶ፥ ዲዮናስዮስ ዝበሃልን፥ ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን፥ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ምስኣቶም ነበሩ። ድሕሪዙይ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ወፂኡ፥ ናብ ቆሮንቶስ ከደ። ቀላውዴዎስ ቄሳር፥ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ክወፁ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ምስ ሰበይቱ ጵርስቅላ ኻብ ኢጣልያ ሽዑ ቕነ ዝመፀ፥ ሓደ ኣቂላስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ በዓል ጳንጦስ፥ ኣብ ቆሮንቶስ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ምስኣቶም ተራኸበ። ከምኣቶም ሰፋዪ ድንኳን ስለ ዝነበረ ድማ፥ እናሰርሐ ምስኣቶም ተቐመጠ። ሰንበት ሰንበት፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ፀረፍዎን ግና፥ ክዳኑ ነጊፉ፥ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፤ ኣነ ንፁህ እየ፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም። ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ኣብ እንዳ እቲ ገዛኡ ኣብ ጥቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበረት፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ኢዮስጦስ ናብ ዝበሃል ሰብ ኣተወ። ቀርስጶስ ዝበሃል መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ፥ ምስ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ፤ ብዙሓት ካብ ሰብ ቆሮንቶስውን፥ ትምህርቲ ጳውሎስ ሰሚዖም፥ ኣመኑን ተጠመቑን። ጐይታ ኸዓ፥ ንጳውሎስ ለይቲ ብራእይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍራሕ፤ ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ኣለኒ፤ ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኾንኩ ድማ፥ ክጐድአካ ዝኽእል ሓደኳ የለን” በሎ። ጳውሎስ ኣብ ማእኸሎም ቃል እግዚኣብሄር እናመሃረ፥ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቆሮንቶስ ተቐመጠ። ጋልዮስ ሹም ኣካይያ እንተሎ፥ ኣይሁድ ሓቢሮም ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ተሲኦም፥ ናብ መጋባእያ ኣቕረብዎ። “ካብ ሕጊ ወፃኢ፥ ሰባት ንእግዚኣብሄር ከምልኽዎ ይሓባብል ኣሎ” እናበሉ ድማ ኸሰስዎ። ጳውሎስ መልሲ ኽህብ ምስተዳለወ ድማ፥ ጋልዮስ ንኣይሁድ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ኣይሁድ፥ ብዛዕባ ዝኾነ ዓመፅ ወይ ክፉእ ግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ሃዲአ ኽሰምዐኩም ግቡእ ነይሩ፤ ሕዚ ግና ክትዕኹም፥ ብዛዕባ ቃልን፥ ስምን፥ ናይ ባዕልኻትኩም ሕግን ስለ ዝኾነ፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ፤ ኣነ ናይዝ ነገር እዙይ ፈራዲ ክኸውን ኣይደልን” በሎም። ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም። እቶም ግሪካውያን ኵላቶም ንሶስቴንስ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሒዞም፥ ኣብ ቕድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ፤ እንተ ኾነ ጋልዮስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ኣይተገደሰሉን። ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ። ኣብ ኤፌሶን ምስ በፅሑ፥ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኡ ሓደጎም፤ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ድማ፥ ምስቶም ኣይሁድ ተነጋገረ። ንሳቶምውን ብዙሕ መዓልቲ ምስኣቶም ክፀንሕ ለመንዎ፤ እንተ ኾነ ሕራይ ኣይበሎምን። ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ። ኣብ ቂሳርያ ምስ በፅሐ፥ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩውን ንኣመንቲ ሰላም ምስ በለ፥ ናብ ኣንፆኪያ ወረደ። ቁሩብ መዓልቲ ኸዓ ኣብኣ ቐነየ፤ ካብኣ ተልዒሉ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን እናዞረ፥ ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዖም። ሓደ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ በዓል እስክንድርያ፥ ምሁር ቅዱሳት መፃሕፍትን፥ ክእለት ዘረባ ዘለዎን ሰብኣይ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ንሱ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ምሁር ነበረ፤ ንሱ ብጥምቀት ዮሃንስ ጥራሕ ዝተጠመቐ እኳ እንተ ነበረ፥ ብመንፈስ ተለዓዒሉ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ኣበርቲዑ ይሰብኽን ይምህርን ነበረ። ንሱ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ብትብዓት ክምህር ጀመረ፤ ጵርስቅላን ኣቂላን ምስ ሰምዕዎ ኸዓ፥ ናብ ገዛኦም ወሲዶም፥ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቖም ኣረድእዎ። ናብ ኣካይያ ክሓልፍ ምስ ሓሰበ፥ እቶም ኣሕዋት ኣተባብዕዎ፤ ነቶም ኣብ ኣካይያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ክቕበልዎ ፀሓፉሎም፤ ኣብኣቶም ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ነቶም ብፀጋ እግዚኣብሄር ዝኣመኑ ብዙሕ ረድኦም። ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነውን፥ ካብ መፃሕፍቲ እናርኣየ፥ ንኣይሁድ ኣብ ቕድሚ ዅሉ በርቲዑ የረድኦም ነበረ። ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ፥ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ። “ምስ ኣመንኩምስ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ፥ “ኣይተቐበልናን፤ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎውን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸዓ “በየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም?” በሎም፤ ንሳቶም ድማ “ብጥምቀት ዮሃንስ” በልዎ። ሽዑ ጳውሎስ “ዮሃንስ በቲ ድሕሪኡ ዝመፅእ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምኑ፥ ነቶም ህዝቢ እናነገረ፥ ጥምቀት ንስሃ እዩ ዘጥመቐ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠመቑ። ጳውሎስ ኢዱ ምሰ ኣንበረሎም ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን። እቶም ሰባት ከዓ፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ዝኣኽሉ ነበሩ። ጳውሎስ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሓድሓደ ነቲ መንገዲ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ልቦም ምስ ኣትረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፥ ካብኣቶም ረሓቐ፤ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፈልዩ ድማ፥ በብመዓልቱ ኣብቲ ጢራኖስ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ይምህሮም ነበረ። እዙይ፥ እቶም ኣብ እስያ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ግሪካውያንን፥ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰምዕዎ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ቀፀለ። እንሆ ድማ፥ መንዲል ወይ ክዳን ካብ ሰብነቱ እናዞሩ ኻብ ሰብ ኣጋንንቲ እናውፅኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም “በቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ፥ ብስም ኢየሱስ ክትወፁ ንእዝዘኩም ኣለና” እናበሉ፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክፅውዑሎም ፈተኑ። እቶም እዙይ ዝገበሩ ኸዓ፥ ሸውዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ካህናት ነበሩ። እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ “ንኢየሱስ እፈልጦ፤ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ከዓ፥ ዘሊሉ ሓነቖም እሞ ሰዓሮም፤ ክዳኖም ቀዲዱ፥ ጥራሕ ዝባኖም ኣውፂኡ ኣቝሲሉ፥ ካብታ ገዛ ሃዲሞም ክሳዕ ዝወፁ ድማ ንዅሎም ኣሰነፎም። እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ግሪካውያንን ተሰምዐ፤ ንዅላቶምውን ፍርሓት ሓዞም፤ ስም ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኸበረ። ካብቶም ዝኣመኑ ኸዓ፥ ብዙሓት እናመፁ፥ ነቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም ብገሃድ ይንስሑ ነበሩ። ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ፥ መፃሕፍቶም ኣኪቦም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኣቃፀልዎ፤ ዋጋኡ ምስ ፀብፀብዎ ኸዓ፥ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምዙይ ኢሉ ብሓይሊ እናሰፍሐን እናበርትዐን ከደ። እዝ ነገር እዙይ ምስ ሓለፈ፥ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ገይሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ሓሰበ ንኽልተ ኻብቶም ሓገዝቱ፥ ንጢሞቴዎስን ንኣርስጦንን፥ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፤ ንሱ ግና ኣብ እስያ ብዙሕ መዓልቲ ፀንሐ። በቲ ቕነ እቱይ፥ ብዛዕባ እቲ መንገዲ ጐይታ፥ ሓደ ድሜጥሮስ ዝተብሃለ ሰራሒ ብሩር ነበረ። ንሱ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ዝኸውን ምስሊ ብሩር እናሰርሐ፥ ነቶም ኣንጠረኛታት የርብሖም ነበረ። ነዚኣቶምን ነቶም ብስራሖም ዝተሓባበርዎምን ኣኪቡ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፥ ጥቕምና ኻብዝ ስራሕዙይ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። ከም እትሪኡዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ እዝ ጳውሎስ ‘እዞም ብኢድ ሰብ ዝስርሑስ፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን’ እናበለ፥ ኣብ ኤፌሶን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ፥ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝሓበለን ከም ዘስሓተን፥ ትሪኡን ትሰምዑን ኣለኹም። ዘፍርሐና ዘሎ፥ እታ ዅላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻ፥ ዓባይ ኣርጤምስ ዕብየታ ኸይሰዓር፥ መቕደሳውን ከም ከንቱ ኸይቝፀር እምበር፥ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራሕ ኣይኮነን።” ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ እሞ፥ ዓው ኢሎም “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” በሉ። ኣብታ ኸተማ ድማ ሁከት ኮነ፤ ነቶም ኣዕርኽቲ ጳውሎስ ዝኾኑ፥ ንጋይዮስን ንኣርስጠርኮስን ሰብ መቄዶንያ ሒዞም፥ እናጐተቱ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ጐየዩ። ጳውሎስ ድማ፥ ናብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ኽኣቱ ደለየ፤ እንተ ኾነ ደቀ መዛሙርት ከልከልዎ። ካብ እስያ ዝኮኑ ሹመኛታት ፈተውቱ ልኢኾም፥ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ኸይኣቱ ለመንዎ። እቲ ህዝቢ ድብልቕልቕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ዝበዝሑ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፤ ስለዙይ ገሊኣቶም ከምዙይ፥ ገሊኣቶምውን ከምቱይ እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ የስምዑ ነበሩ። እቶም ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ኣብቲ ቕድሚ ህዝቢ ምስ ኣቕረብዎ፥ ካብቶም ህዝቢ እውን ገሊኣቶም ዓው ኢሎም ኣደፋፈርዎ። እስክንድሮስ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ኽምጕተሎም ደልዩ፥ ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም። ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፥ ኵላቶም ብሓደ ቓል ኮይኖም፥ “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” እናበሉ ኽልተ ሰዓት ዝኣክል፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቲ ናይታ ኸተማ ሹም፥ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፥ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን፥ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ፥ ዘይፈልጥ ሰብ መን እዩ? እምበኣርከስ፥ እዙይ ኣሉ ዘይበሃል ነገር ካብ ኮነ፥ ክትሃድኡ ደኣ እምበር፥ ብታህዋኽ ሓደ ነገር ክትገብሩ ኣይግብአኩምን እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስ እንተይሰረቑ፥ ንኣምላኽናውን እንተይፀረፉ ኢኹም ኣምፂእኹምዎም ዘለኹም። ድሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና፥ ክሲ እንተ ሃልይዎም፥ መዓልቲ መጋባእያን ሹመኛታትን ኣለዉዎም፤ ንስንሳቶም ይካሰሱ። ካልእ ነገር እንተ ሃልዩኩም ድማ፥ ኣብቲ ስሩዕ መጋባእያ ይረአ። ነዝ ሁከት እዙይ፥ እንህቦ ምኽንያት የብልናን፤ በዝ ሎሚ ዝኾነ ሁከት እኳ፥ ከይንኽሰስ ንፈርሕ ኢና” ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ። በቲ ዝሓለፎ ዓድታትውን፥ ብብዙሕ ቃል እናፀናንዖም ናብ ግሪክ ከደ። ኣብኡ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ፤ ናብ ሶርያ ብመርከብ ክኸይድ ሓሲቡ እንተሎ ድማ፥ ኣይሁድ ተንኰል ከም ዝገበሩሉ ምስ ፈለጠ፥ ብመቄዶንያ ገይሩ ኽምለስ ሓሰበ። በዓል ቤርያ ዝኾነ ጴጥሮስ ወዲ ጲሮስ፥ ኣርስጦርኮስን ሲኮንዱስን ሰብ ተሰሎንቄ፥ ጋይዮስ በዓል ደርቤን፥ ከምኡ ኸዓ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እስያ ኸዓ ቲኪቆስን ጥሮፊሞስን፥ ክሳዕ እስያ ኣፋነውዎ። እዚኣቶም ቅድሜና ሓሊፎም፥ ኣብ ጢሮኣዳ ተፀበዩና። ንሕና ግና ድሕሪ በዓል ፋሲካ፥ ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕለዋይ ደብሪ፥ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ። ኣውጤክስ ዝስሙ ጐበዝ፥ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ እንተሎ ተታኸሰ፤ ጳውሎስ ትምህርቱ ምሰንውሐ ኸዓ፥ ድቃስ ከቢድዎ ኻብ ሳልሰይቲ ደብሪ፥ ናብ ታሕቲ ወደቐ፤ ሞይቱ ድማ ኣልዓልዎ። ናብቲ ደብሪ ደየበ፤ ነቲ ጐበዝውን ምስኡ ኣደየቦ፤ ተቐሚጡውን እንጀራ ቘሪሱ በልዐ፤ ክሳዕ ዝወግሕውን ብዙሕ መሃሮምሞ ኸደ። ነቲ ወዲ ኸዓ፥ ብህይወቱ ስለ ዝወሰድዎ ንጳውሎስ ኣብ መርከብ ክንቅበሎ ስለ ዝሓሰብና፥ ንሕና ኣቐዲምና ናብ ኣሶን ከድና፤ ከምዙይ ዝገበርና ኸዓ፥ ጳውሎስ ክሳዕ ኣሶን፥ ብእግሪ ክኸይድ ስለ ዝመደበን፥ ከምኡ ኽንገብር ስለ ዝነገረናን እዩ። ኣብ ኣሶን ምስ በፃሕና ድማ፥ ናብታ መርከብ ተቐበልናዮ፤ ናብ ሚጢሊኒን ከዓ ኸድና። ካብኡ ወፂእና ኸዓ፥ ብመርከብ ጌርና፥ ናብ ማዕዶ ክዮስ በፃሕና፤ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ናብ ሳሞስ ተሳገርና፤ ንፅባሒቱ ኸዓ ናብ ሚሊጢ ኣተና። ጳውሎስ፥ እንተ ኾይኑሉስ፥ ንበዓል ሓምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ክውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ፥ ምእንቲ ኣብ እስያ ኸይንድንጒ ኢሉ፥ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ወሰነ። ጳውሎስ ካብ ሚሊጢ፥ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፥ ነቶም ሽማግለታት “ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገፅኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ብተንኰል ኣይሁድ ፈተና እንተ በፅሐኒ እኳ፥ ብዅሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን፥ ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልኩ፥ ዝጠቅም ኵሉ እናሰበኽኩልኩም፥ ኣብ ኣደባባይ ኮነ ኣብ ገዛውትኹም እንትምህረኩም፥ ዘጕደልኩልኩም የለን። ከምኡ ኸዓ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኽኣምኑ፥ ከም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም። ሕዚ ብመንፈስ ተመሪሐ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ እንታይ ከም ዝረኽበኒ ኣይፈልጥን። ብዘይ እቲ መንፈስ ቅዱስ ‘ማእሰርትን መከራን ይፅበየካ ኣሎ’ ኢሉ፥ ኣብ ፈቐዶ ኸተማታት ዝነገረኒ እንተ ዘይኮይኑ ዝፈልጦ የብለይን። ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን “ሕዚ ድማ፥ እንሆ ንስኻትኩም መንግስቲ እግዚኣብሄር እናዞርኩ ዝሰበኽኩልኩም ኵልኻትኩም፥ ደጊም ገፀይ ከም ዘይትሪኡ ፈሊጠ ኣለኹ። ስለዙይ ካብ ደም ኵልኻትኩም ንፁህ ምዃነይ፥ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣለኹ። ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ደኣ ነገርኩኹም እምበር፥ ዘትረፍኩልኩም የብለይን። ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ኣነ ምስ ከድኩ፥ ነታ መጓሰ ዘየናሕስዩላ፥ ከም ተዃሉ ጨካናት፥ ብድሕረይ ከም ዝመፁኹም እፈልጥ እየ። ካባኻትኩምውን፥ ነቶም ኣመንቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኽገብርዎም፥ ጠዋይ ትምህርቲ ዝምህሩ ሰባት ክለዓሉ እዮም። ስለዙይ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን፥ ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየቋረፅኩ እናዘከርኩም ንቕሑ። ሕዚ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ነቲ ኽሃንፀኩምን፥ ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ርስቲ ኽህበኩምን ዝኽእል ቃል ፀጋኡ፥ ሓደራ እህበኩም ኣለኹ። ኣነ ኻባኻትኩም ካብ ሓደኳ፥ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ ክዳን ኣይደለኹን። በዘን ኣእዳወይ እናሰራሕኹ፥ ንኣይን ነቶም ምሳይ ዝነበሩን፥ ዘድለየና ኸም ዘማላእኹ፥ ባዕልትኹም ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡውን ስራሕ ምስራሕ፥ ድኻታት ምርዳእ ከም ዝግባእ፥ ጐይታና ኢየሱስ ‘ካብቲ ዝቕበል፥ እቲ ዝህብ ዝበለፀ ዝተባረኸ እዩ’ ዝበሎ ቓል ዘክሩ።” እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ ምስቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎም ተምበርኪኹ ፀለየ። ኵላቶም ድማ ብዙሕ በኸዩ፤ ንጳውሎስ ከዓ፥ ብኽሳዱ ሓቝፎም ሰዓምዎ። ካብ ኵሉ ኸዓ፥ ስለ እቲ “ደጊምስ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም” ዝበሎም ቃል፥ የመና ሓዘኑ፤ ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ። ካብኣቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተልዓልና፥ መንገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ ከድና፤ ንፅባሒቱ ኸዓ፥ ሮዶስ ኣብ እትብሃል ደሴት በፃሕና፤ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣተና። ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና፥ ናብኣ ደየብና፤ ብኣኣ ጌርናውን ጕዕዞና ቐፀልና። ነታ ቆጵሮስ እትበሃል ደሴት ምስ ረአናያ፥ ንኢድ ፀጋም ሓዲግናያ፥ ናብ ሶርያ ኣቢልና ተጕዓዝና፤ ፅዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዝራገፍ ስለ ዝነበረ ድማ ናብኣ ኣተና። ኣብኣ ደሊና ደቀ መዛሙርት ረኸብና፤ ምስኣቶም ከዓ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና፤ ንሳቶም ድማ ብመንፈስ ተገሊፁሎም፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ኣይትደይብ” በልዎ። እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፥ ካብኡ ወፂእና ኽንጐዓዝ ተልዓልና፤ ኵሎም ድማ፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኮይኖም፥ ክሳዕ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፤ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ ተንበርኪኽና ፀለና። “ደሓን ኩኑ” ተበሃሂልና ምስ ተፈላለና፥ ንሕና ናብታ መርከብ ደየብና፤ ንሳቶምውን ነናብ ገዛኦም ተመለሱ። ንሕና ግና፥ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ምስ ወዳእና፥ ካብ ጢሮስ ናብ ጴጤሌማይስ በፃሕና፤ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና፥ ምስኣቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዓልና። ንፅባሒቱ ኻብኣ ወፂእና፥ ኣብ ቂሳርያ በፃሕና፤ ኣብ እንዳ ፊልጶስ ወንጌላዊ፥ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ኣቲና፥ ኣብኣ ቐነና። ንሱ፥ ትንቢት ዝዛረባ ኣርባዕተ ደናግል ኣጓላት ነበራኦ። ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀናሕና፥ ሓደ ኣጋቦስ ዝስሙ ነቢይ ካብ ይሁዳ ወረደ። ናባና መፂኡ ኸዓ፥ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ኣሰረ እሞ፥ “ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ፥ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምዙይ ገይሮም ኣሲሮም፥ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ይብል መንፈስ ቅዱስ” በለ። እዙይ ምስ ሰማዕና፥ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ኴንና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከይድይብ፥ ንጳውሎስ ለመንናዮ። ሽዑ ጳውሎስ “ንምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ስለ ምንታይከ ትበኽዩ? ንምንታይከ፥ ልበይ ትሰብሩኒ ኣለኹም? ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሙማትውን ድልዊ እየ” ኢሉ መለሰ። ምቕባል ምስ ኣበየና ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ዝፈቐዶ ይኹን” ኢልና ስቕ በልና። ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት ምስ ተዳሎና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብና። ካብ ቂሳርያ ሓቢሮም ዝመፁ ደቀ መዛሙርትውን፥ ምሳና ነበሩ። ኬድና፥ ካብቶም ቀዲሞም ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ናይ ቆጵሮስ ሰብ፥ እንዳ ምናሶን ክንሓድር መርሑና። ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፃሕና፥ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ምሳና ናብ ያእቆብ ከደ፤ ኵሎም ሽማግለታት ጳውሎስ ሰላም ምስ በሎም፥ እግዚኣብሄር በቲ ናቱ ኣገልግሎት ገይሩ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ሓደ ብሓደ ነገሮም። ነዙይ ምስ ሰምዑ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ፤ ንጳውሎስ ከዓ፦ “ኣታ ሓውና፥ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣለኻ፤ ኵላቶም ከዓ፥ ሕጊ ሙሴ ንምፍፃም ቅንኣት ኣለዎም። ንስኻ፥ ንዅሎም ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ካብ ሕጊ ሙሴ ኽርሕቑ፥ ደቆም ከይገርዙ፥ ብስርዓቶም ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፥ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ። ምምፃእኻ ብርግፅ ክሰምዑ እዮም እሞ፥ እንታይ ምግባር ይሐይሽ? እምበኣር ከምዝ እንብለካ ግበር፤ መብፅዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰባት ኣለዉና፤ ምሳኻ ተማልኣዮም እሞ፥ ምስኣቶም ንባዕልኻ ኣንፅህ፤ ርእሶም ይላፀዩ፤ እቲ ንቤተ መቕደስ ዝግባእ መባእ ድማ፥ ንስኻ ኽፈለሎም፤ ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ፥ ሕጊ እናሓለኻ ኸም እትመላለስን፥ እዝ ዅሉ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ኸዓ፥ ሓቂ ኸም ዘይኮነን፥ ኵላቶም ክፈልጡ እዮም። ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና፥ ተማኺርና ‘ንጣዖታት ካብ ዝተሰውአ ምግብን ደምን፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳ ካብ ምብላዕን፥ ካብ ዝሙትን ረሓቑ’ ኢልና፥ ብፅሑፍ ኣዚዝናዮም ኣለና” በልዎ። ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ነቶም ሰባት ሒዙ ምስኣቶም ንባዕሉ ኣንፅሀ፤ ብድሕሪዙይ እቲ መዓልቲ ምንፃሆም መኣዝ ኸም ዝውዳእን፥ ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ መስዋእቲ መኣዝ ከም ዘቕርቡን ኽነግር፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። እተን ሸውዓተ መዓልቲ ኽውድኣ ምስ ቀረባ፥ ካብ ሃገር እስያ ዝመፁ ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረአይዎ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣለዓዒሎም ድማ ሓዝዎ። “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንዑ ርድኡና፤ እቲ ኣብ ፈቖዶ ሃገር፥ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይን፥ ምስ እዝ ሕጊ እዙይን፥ ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዝፃረር ነገር፥ ንዅሉ ሰብ ዝምህር ሰብኣይ እዙይ እዩ፤ ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ፥ ግሪካውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፥ ነዛ ቕድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ እዩ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እዙይ ዝበሉ ኸዓ፥ ቅድም ንጥሮፊሞስ በዓል ኤፌሶን፥ ምስኡ ኣብ ከተማ ሪኦምዎ ነበሩ እሞ፥ ጳውሎስ ናብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲሉዎም እዩ። ኵላ እታ ኸተማ ተሃወኸት፤ እቶም ህዝቢ ዅላቶም ብሓንሳእ ብምጕያይ፥ ንጳውሎስ ሒዞም፥ ካብ ቤተ መቕደስ ጐቲቶም ኣውፅእዎ፤ ሽዑ ንሽዑውን፥ ነቲ መዓፁ ቤተ መቕደስ ዓፀውዎ። ክቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፥ ኢየሩሳሌም ከም ዝተሃወኸት፥ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ መልእኽቲ በፅሐ። ንሱ ኸዓ፥ ወታደራትን ኣሕሉቕ ሚእትን ሒዙ፥ ናብኣቶም ጐየየ። ኣይሁድ ከዓ፥ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስ ካብ ምውቃዕ ኣቋረፁ። ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሓዞ፤ ብኽልተ መቝሕ ክኣስርዎ ድማ ኣዘዘ፤ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ጠየቐ። እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ዓው ኢሎም ገሊኣቶም ከምዙይ፥ ገሊኣቶምውን ከምቱይ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ዋዕዋዕታ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ ናይቲ ሁከት መልዓሊኡ ምርዳእ ስለ ዘይከኣለ፥ ናብ ሰፈር ወታደራት ከብፅሕዎ ኣዘዘ። ጳውሎስ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በፅሐ፥ እቲ ህዝቢ የመና ኣምሪሩ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ወታደራት ተሰከምዎ፤ ዓው ኢሎም ድማ፥ “ኣወግዶ” እናበሉ ብዙሕ ህዝቢ ይስዕብዎ ነበሩሞ። ናብቲ ሰፈር ወታደራት ከእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፥ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ “ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ቋንቋ ግሪክዶ ትፈልጥ ኢኻ? ቅድሚ ሕዚ ሁከት ዘለዓዓልካን ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ፥ ናብ በረኻ ዘውፃእኻን ግብፃዊ ንስኻዶ ኣይኮንካን?” በሎ። ጳውሎስ ግና “ኣነስ ኣብ እታ ፍልጥቲ ኸተማ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ እየ፤ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ” በለ። ሽዑ ጳውሎስ ምስ ተፈቕደሉ፥ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ፥ ነቶም ህዝቢ ስቕ ክብሉ፥ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ ስቕ ምስ በሉ ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ፥ ከምዙይ ኢሉ ኽናገሮም ጀመረ፦ “ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፥ እዝ ሕዚ ኣነ ዝከራኸረሉ ነገር ስምዑኒ።” ብቛንቋ ዕብራይስጢ ኽዛረብ ምስ ሰምዕዎ፥ ብዝበለፀ ፀጥ ኢሎም ኣዳመፅዎ፤ ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “ኣነስ ኣብታ ኣብ ቂልቅያ እትርከብ፥ ጠርሴስ እትበሃል ከተማ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብ እየ። ኣብ ጥቓ እግሪ ገማልያል ኮይነ፥ ሕጊ ኣቦታት ኣፀቢቐ እናተምሃርኩ፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እየ ዝዓበኹ። ከምዝ ዅልኻትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ኸዓ፥ ብናይ እግዚኣብሄር ነገር ቀናእ ነበርኩ። ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩ፥ ነቶም ነዛ መንገዲ ጐይታ እዚኣ ዝስዕቡ፥ ክሳዕ ሞት ክቐትሎም ኣሳጐጕክዎም። ከምዙይ ከም ዝገበርኩ፥ ሊቀ ካህናትን ኵላቶም ሽማግለታትን ይምስክሩለይ እዮም። እቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ኣሕዋት ምእንቲ ኽቕፅዑ፥ እናኣሰርኩ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእለኒ፥ ናብቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣይሁዳውያን፥ ካብኣቶም መልእኽቲ ተቐቢለ ነይረ እየ። “ናብ ደማስቆ እናኸድኩ እንተለኹ፥ ናብኣ ምስ ቀረብኩ፥ ኣጋ ቐትሪ ድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን፥ ኣብ ዙርያይ ኣንፀባረቐ። ኣብ ምድሪ ኸዓ ወደቕኩ፥ ‘ሳውል! ሳውል! ንምንታይ እተሳጕጐኒ?’ ዝብል ድምፂ ድማ ሰማዕኹ። ኣነ ድማ መሊሰ ‘ጐይታይ፥ ንስኻ መን ኢኻ?’ በልክዎ። ንሱ ኸዓ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እየ’ በለኒ። እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረአይዎ፤ ሽዑ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር?’ በልክዎ፤ ጐይታ ድማ ‘ተሲእኻ ናብ ደማስቆ ኺድሞ፥ እቲ ኽትገብሮ ዝግበአካ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም’ በለኒ። ካብቲ ግርማ ነፀብራቕ ዝተልዓለ ምርኣይ ምስ ሰኣንኩ ድማ፥ እቶም ምሳይ ዝነበሩ እናመርሑኒ፥ ናብ ደማስቆ በፃሕኹ። “ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝንእድዎ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሕያዋይን ብሕጊ ዝፀንዐን፥ ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ። ንሱ ናባይ መፂኡ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለ፤ ‘ሳውል ሓወይ፥ ረአ’ በለኒ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአኹ፤ ንእኡውን ጠመትኩዎ። ንሱ ኸዓ፥ ፍቓዱ ኽትፈልጥን፥ ነቲ ፃድቕ [ክርስቶስ] ከዓ ኽትሪኦን፥ ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ኣምላኽ ኣቦታትና ሓረየካ። እዙይ ድማ፥ በቲ ዝረአኻዮን ዝሰማዕኻዮን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኮኖ እዩ። ሕዝኸ እንታይ ትፅበ ኣለኻ? ተስእሞ፥ ስም ጐይታ እናፀዋዕኻ ተጠመቕ፤ ካብ ሓጢኣትካውን ተሓፀብ” በለኒ። “ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ፥ ኣብ መቕደስ እናፀለኹ እንተለኹ ድማ ተመሰጥኩ። ጐይታ ኸዓ ብራእይ ‘ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቕበሉኻን እዮም እሞ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቀልጢፍካ ውፃእ’ ኽብለኒ እንተሎ ረአኹዎ። ኣነ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ ኣኣስሮምን፥ ኣብ ቤተ ፀሎታቶም እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፥ ባዕልቶም ይፈልጡ እዮም። ደም እስጢፋኖስ ሰማዕትኻ ኸፍስሱ እንተለዉ ድማ፥ ባዕለይ ምስኣቶም ተሰማሚዐ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፤ ናይቶም ዝቐተልዎ ኽዳውንቲ እውን እሕሉ ነበርኩ’ በልክዎ። ንሱ ኸዓ ‘ኣነ፥ ኣብ ርሑቕ ናብ ዘለዉ ኣህዛብ፥ እልእኸካ ኣለኹ እሞ ኺድ’ በለኒ።” ክሳዕ እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንጳውሎስ ሰምዕዎ፤ ብድሕሪዙይ ግና፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፦ “ከምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፥ ካብ ምድሪ ኣወግድዎ” በሉ። እቶም ህዝቢ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፥ ሓመድ ንላዕሊ እናብነኑ ዋዕዋዕ ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ፥ ነቲ ዋዕዋዕ ዘበሎም ምኽንያት ምእንቲ ኽፈልጥ፥ “ኣብ ስፍራ ወታደራት ኣእቲኹም፥ ብመግረፍቲ መርምርዎ” ኢሉ ኣዘዘ። ክገርፍዎ ምስ ኣሰርዎ ኸዓ፥ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ “ንሓደ ሮማዊ ዜጋ፥ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፉዶ ተፈቒዱልኩም እዩ?” በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፥ “እዝ እትገብሮ ዘለኻ ፍለጥ፤ ምኽንያቱ እዝ ሰብኣይ እዙይ ‘ሮማዊ እዩ’ ” ኢሉ ነገሮ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ መፂኡ፥ “ኣታ ሮማዊ ዲኻ? እስኪ ንገረኒ” በሎ። ጳውሎስ ከዓ “እወ” በሎ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ኸዓ “ኣነስ፥ ነዝ ዜግነት እዙይ፥ ብዙሕ ገንዘብ ብምኽፋል እየ ዝረኸብክዎ” በሎ፤ ጳውሎስ ድማ “ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ” በሎ። እቶም ክምርምርዎ ኢሎም ኣብኡ ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ግና፥ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ኣረጋገፀ፥ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሐ። ብፅባሒቱ ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ንፁር ነገር ክፈልጥ ደልዩ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ ፈትሖ። ንሊቃውንቲ ካህናትን፥ ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ክእከቡ ኣዘዞም፤ ንጳውሎስ ድማ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቖሞ። ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት ግና፥ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣፉ ኽፀፍዕዎ ኣዘዘ። ጳውሎስ ድማ ንእኡ “ኣታ ዝተለመፀ መንደቕ፥ እግዚኣብሄር ክወቕዐካ እዩ። ንስኻ ብሕጊ ኽትፈርደኒ ኣብ መንበር ተቐሚጥካስ፥ ብዘይ ሕጊ ኽወቕዑኒዶ ትእዝዝ ኣለኻ?” በሎ። እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ፥ “ንምንታይ ንናይ እግዚኣብሄር ሊቀ ካህናት ትፃረፍ ኣለኻ?” በልዎ። ጳውሎስ ድማ “ኣሕዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ እየ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኣይትፅረፍ’ ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ” በሎም። ጳውሎስ ከዓ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፥ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምዉታን ከም ዝትስኡ ተስፋ ስለ ዝገብር እዩ፥ ዝፍረደኒ ዘሎ” በሎም። እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ኾነ፤ እቲ ኣኼባውን ተፈላለየ። ሰዱቃውያን፥ ትንሳኤ ሙታን፥ መልኣኽ፥ ወይ መንፈስ የለን ዝብሉ እንትኾኑ፥ ፈሪሳውያን ግና እዝ ኵሉ ኸም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩሞ። ብዙሕ ዋዕዋዕታ ድማ ኾነ፤ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾኑ ሓድሓደ መምህራን ሕጊ፥ “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓደኳ ኽፉእ ነገር ኣይረኸብናን፤ መንፈስ ወይ መልኣኽ ተናጊርዎ እንተ ኾነኸ፥ እንታይ ንፈልጥ?” እናበሉ ተሲኦም ተኸራኸሩ። ብዙሕ ባእሲ ምስ ኮነ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ፥ እቶም ህዝቢ ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሑ፥ ነቶም ወታደራት “ወሪድኩም ካብ ማእኸሎም ሒዝኩም፥ ናብ ሰፈር ወታደራት ኣብፅሕዎ” ኢሉ ኣዘዞም። ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ ኣይሁድ፥ “ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ኣይንብላዕ፥ ኣይንስተ” ኢሎም ተመሓሓሉ። እቶም ከምዙይ ዝተማሓሓሉ ድማ፥ ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ነበሩ። ንሳቶም ከዓ፥ ናብ ሊቃነ ካህናትን ናብ ሽማግለታትን ከይዶም፥ “ንሕና ‘ንጳውሎስ እንተይቀተልና፥ ዝኾነ ኸይንጥዕም ተመሓሒልና ኣለና’። ሕዚ ድማ ንስኻትኩም፥ ምስቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ዄንኩም፥ ንጳውሎስ ናባኻትኩም ከውፅኦ እሞ፥ ኣፀቢቕኩም ክትምርምሩ ኸም ዝደለኹም ጌርኩም፥ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ፤ ንሕና ኸዓ ኣባኻትኩም እንተይበፅሐ ኽንቀትሎ ተዳሊና ኣለና” በልዎም። ወዲ ሓፍቱ ንጳውሎስ ከዓ፥ ነዝ ምኽሮም ሰሚዑ ኸደ፤ ናብቲ ሰፈር ወታደር ኣትዩ ድማ፥ ንጳውሎስ ነገሮ። ጳውሎስ ድማ፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ንሓደ ፀዊዑ፥ “እዝ ወዲ እዙይ፥ ንሓለቓ ሽሕ ዝነግሮ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ናብኡ ውሰዶ” በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ፥ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ “እቲ እሱር ጳውሎስ፥ ናብኡ ፀዊዑ፥ እዝ ወዲ እዙይ ዝነግረካ ዘረባ ስለ ዘለዎ፥ ናባኻ ኸእትዎ ለሚኑኒ” በሎ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ፥ ነቲ ወዲ ብኢዱ ሒዙ፥ ንበይኑ ኣግልስ ኣቢሉ፥ “እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ብዛዕባኡ ኣፀቢቖም ክጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ኣምሲሎም፥ ፅባሕ ናብ መጋባእያ ኽተውርደሎም ክልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ። ካብኣቶም ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ሰባት ይፀናተዉ ኣለዉ፤ ንእኡ ኽሳዕ ዝቐትልዎ ድማ፥ ከይበልዑን ከይሰትዩን ተመሓሒሎም ኣለዉ። ሕዚ ኽሳዕ እትልእኸሎም እዮም ዝፅበዩ ዘለዉ። ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም” በሎ። ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ “ንኣይ ከም ዝነገርካኒ፥ ንኻልእ ኣይትንገር” ኢሉ፥ ኣጠንቂቑ ሰደዶ። ብድሕሪኡ ንኽልተ ኣሕሉቕ ሚእቲ ፀዊዑ፥ “ንቂሳርያ ዝኸዱ ኽልተ ሚእቲ ወታደራት፥ ሰብዓ ፈረሰኛታት፥ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት፥ ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ። ንጳውሎስ ከዓ መፅዓኛ ቐርቡሉ፤ ናብ ፊልክስ እቲ ገዛኢ ቂሳርያ ድማ ኣብፅሕዎ” በሎም። ከምዙይ ኢሉውን መልእኽቲ ፀሓፈ፦ “ካብ ቀላውዴዎስ ሉስዮስ፥ ናብ ክቡር ሹም ፊልክስ፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን። ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣይሁድ ሒዞም፥ ክቐትልዎ ደልዮም ነበሩ፤ ኣነ ግና ሮማዊ ዜጋ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፥ ምስ ወታደራት መፂአ ኣናገፍክዎ። እቲ ዝኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸዓ፥ ናብ መጋባእያኣቶም ኣቕረብክዎ። ሽዑ ብዛዕባ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ደኣ እምበር፥ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ ክሲ፥ ከቶ ኣይረኸብኩሉን። ነዝ ሰብኣይ እዙይ ይፀናተውዎ ኸም ዘለዉ ምስ ሰማዕኹ ኸዓ፥ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ ኣለኹ፤ ነቶም ከሰስቱውን፥ ኣብ ቕድሜኻ ክኸስዎ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ደሓን ኩን።” እቶም ወታደራት ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ፥ ንጳውሎስ ወሲዶም፥ ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብፅሕዎ። ንፅባሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ክኸዱ ሓዲጎምዎም፥ ናብ ሰፈሮም ተመለሱ። እቶም ፈረሰኛታት ናብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ድማ፥ ነታ መልእኽቲ ንፊልክስ ሃብዎ፤ ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ። ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ ኸዓ፥ ናይ መን ግዝኣት ተወላዳይ ምዃኑ ጠየቖ። በዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፥ “እምበኣር ከሰስትኻ ምስ መፁ፥ ሽዑ ኽሰምዐኩም እየ” በሎ። ኣብ ናይ ሄሮድስ ቤተ መንግስቲ ኣእትዮም ንኽሕልውዎ ኸዓ ኣዘዘ። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሽማግለታትን ጠርጠሉስ ምስ ዝበሃል ሓደ ወዳኢ ነገርን ወረደ፤ ንሳቶም ድማ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ከሰስዎ። “ኦ ኽቡር ፊልክስ! ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ረኺብና ኣለና፤ ሳላ ብልሓትካ ድማ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ብዙሕ ምምሕያሽ ኮይኑሉ ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኵልሻዕ ኣብ ኵሉ ሃገር ብታሕጓስ እናተቐበልና፥ ነመስግነካ ኣለና። እንተ ኾነ ምእንቲ ኸየንውሐልካ፥ ነዝ ብሓፂሩ ዝብለካ፥ ተዓጊስካ ብቕንዕና ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ። እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ናይቶም ናዝራውያን ተብሂሎም ዝፅውዑ ወገን መራሒ እዩ፤ በብዓዱ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ድማ፥ ዕግርግርን ህውከትን እናፈጠረ፥ ሕማም ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና። ቤተ መቕደስ ከርክስ ምስ ደለየ ኸዓ፥ ሒዝና ኸም ሕግና ኽንፈርዶ ደለና። ግና ሉስዮስ እቲ ሓለቓ ሽሕ መፂኡ፥ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና መንዚዑ ወሰዶ። ነቶም ከሰስቱ ድማ፥ ናባኻ ኽመፁ ኣዘዞም። ብዛዕባ እዝ ንሕና እንኸሶ ዘለና ዅሉ ኸዓ፥ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።” ኣይሁድውን “እወ፥ እዝ ነገር እዙይ ልክዕ እዩ” በሉ። “ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ፈራዲ ምዃንካ ክሰግድ ኢለ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ዝድይብ ካብ ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ዝበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፥ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደኳ ኽዛረብ፥ ወይ ህዝቢ ኣኪበ ኽህውኽ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኮነ ኣብ ከተማ ኣይረኸቡንን። ሕዚ እውን በዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ኽረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም። ኣነ ግና፥ ንዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎን፥ ንዅሉ ኣብ ነቢያት ተፅሒፉ ዘሎን ከም ዝኣምን፥ በታ ንሳቶም ‘መናፍቕነት’ ብዝብልዋ መንገዲ ጐይታ፥ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እእመነልካ ኣለኹ። ከምቲ ንሳቶም ተስፋ ዝገብርዎ፥ ኣነውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ካብ ሞት ከም ዝትስኡ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ኣለኒ። ስለዙይ ከዓ እየ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ብንፁህ ሕሊና ኽነብር ዝፅዕር ዘለኹ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ከምቲ ስርዓት ዝእዝዞ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ርእሰይ ከንፅህ እንተለኹ ደኣ ረኸቡኒ እምበር፥ ዝኣከብክዎ ወይ ንህውከት ዘለዓዓልክዎ ህዝቢ ኣይነበረን፤ ገሊኣቶም ካብ እስያ ዝመፁ ኣይሁድ ግና ኣብኡ ነበሩ፤ ንሳቶም ኣባይ ነገር እንተ ደኣ ሃልይዎም፥ ኣብ ቅድሜኻ መፂኦም፥ ክኸሱኒ እዩ ዝግባእ። ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቖይመ እንተለኹ፥ ዝኾነ በደል ረኺቦምለይ እንተ ኾይኖም፥ እዚኣቶም ይንገሩ። ብዘይ እታ ኣብ ማእኸሎም ቆይመ፥ ዓው ኢለ ‘ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን፥ ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ’ ዝበልክዋ እንተ ዘይኮይና፥ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡለይን።” ፊልክስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቑ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ንጳውሎስ ክሕልዎ፥ ማእሰርቲ ኸቕልለሉ፥ ካብቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባትውን፥ ንሓደኳ ኸይኽልክል ኣዘዞ። ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ፥ ፊልክስ ምስታ ድሩሲላ ዝተብሃለት ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መፂኡ፥ ንጳውሎስ ልኢኹ ፀውዖ እሞ፥ ብዛዕባ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን፥ ካብኡ ሰምዑ። ብዛዕባ ፅድቅን፥ ንባዕልኻ ምግታእን፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ፍርድን፥ ምስ ነገሮም ፊልክስ ፈሪሑ፥ “ሕዚ ኺድ፤ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመፅእ ክልእኸልካ እየ” በሎ። ምስዙይ ድማ ኻብ ጳውሎስ ገንዘብ ክረክብ ተስፋ ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ጊዜ ለልኢኹ እናምፅአ ይዛረቦ ነበረ። ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ጶርቅዮስ ፊስጦስ ክንዲ ፊልክስ ተሸመ። ፊልክስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ። ፊስጦስ ናብታ ግዝኣቱ ቂሳርያ ምስ መፀ፥ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ካብ ቂሳርያ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ሊቃነ ካህናትን መኳንንቲ ኣይሁድን ድማ፥ ብዛዕባ ጳውሎስ ነገርዎ። ኣብ መንገዲ ተፀናትዮም ክቐትልዎ መዲቦም ስለ ዝነበሩ ኸዓ “ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ስደደልና” ኢሎም ለመንዎ። ፊስጦስ ድማ፥ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ እዩ ዝሕሎ ዘሎ፥ ኣነ ኸዓ ቐልጢፈ ናብኡ ኽምለስ እየ ኢሉ መለሰሎም። “እምበኣር ካባኻትኩም ሓላፍነት ዘለዎም ወዳእቲ ነገር ምሳይ ይኺዱ እሞ፥ እቲ ሰብኣይ እቱይ፥ ዝኾነ በደል እንተ ሃልይዎ ኣብኡ ይኽሰስዎ” በሎም። ፊስጦስ ምስኣቶም ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ናብ ቂሳርያ ወረደ፤ ንፅባሒቱ ድማ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፥ ንጳውሎስ ከምፅእዎ ኣዘዘ። ጳውሎስ ምስ መፀ ኸዓ፥ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ። መርትዒ ኽረኽቡሉ ዘይኽእሉ፥ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ድማ ኸሰስዎ። ጳውሎስ ድማ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣይሁድ ኮነ፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ፥ ወይ ኣብ ልዕሊ ቄሳር ኣይበደልኩን” ኢሉ፥ ናይ ምክልኻል መልሲ ሃበ። ፊስጦስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብ እሞ፥ በዝ ነገር እዙይ ኣብኡ፥ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ጳውሎስ ግና “ኣነ ኣብ ቕድሚ ናይ ቄሳር መንበር ፍርዲ ቖይመ ኣለኹ፤ ክፍረድ ዝግብአኒ ድማ ኣብኡ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝበደልክዎ ኸም ዘይብለይ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ንሞት ዘብፅሕ ዓመፅን ክፍኣትን ገይረ እንተ ኾይነ፥ ሞት ኣይፈረደኒ ኣይብልን። እዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ብሓሰት እንተ ኾይኑ ግና፥ ናብኣቶም ኣሕሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል የለን፤ ኣነ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ” በለ። ሽዑ ፊስጦስ ምስቶም መማኽርቱ ተነጋጊሩ፥ “ናብ ንጉስ ቄሳር ይግባይ ካብ በልካ፥ ናብኡ ኽትከይድ ኢኻ” በሎ። ቁሩብ መዓልቲታት ምስ ሓለፈ ድማ፥ ንጉስ ኣግሪጳን ብርኒቄን፥ ንፊስጦስ ክራኸብዎ ናብ ቂሳርያ ወረዱ። ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀንሑ ኸዓ፥ ፊስጦስ ነቲ ንጉስ፥ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዝ ዝስዕብ ገለፀሉ፦ “ፊልክስ ብእሱሩ ዝሓደጎ ሰብኣይ ኣብዙይ ኣሎ። ናብ ኢየሩሳሌም ከይደ እንተለኹ ድማ፥ ሊቃነ ካህናት ኣይሁድን ሽማግለታቶምን፥ ናባይ መፂኦም ብዛዕባኡ ነገሩኒ፤ ክፈርዶውን ለመኑኒ። ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገፅ ንገፅ ደው እንተየበልካ፥ በቲ ዝኸሰስዎ ናይ ምክልኻል መልሲ ዕድል እንተይሃብካ፥ ተቐዳዲምካ ንሓደ እኳ ኽቕፃዕ ኣሕሊፍካ ምሃብ፥ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኮነ ነገርክዎም። ድሕሪዙይ ናብዙይ ተኣኪቦም ምስ መፁ፥ እንተየደናጐኹ ንፅባሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፥ ነቲ ሰብኣይ ከምፅእዎ ኣዘዝኩ። እቶም ከሰስቱ ምስኡ ምስ ኣቖምኩዎም፥ ኣነ ኸም ዝተፀበኽዎ ዝፈፀሞ ወንጀል ኣየቕረቡሉን። እንተ ኾነ ብዛዕባ ናይ ኣምልኾኦም ዝኾነ ነገርን፥ ብዛዕባ ሓደ ዝሞተ፥ ጳውሎስ ግና ‘ህያው እዩ’ ዝብሎ ኢየሱስን፥ ይካትዑ ነበሩ። ኣነ ኸዓ ዝገብሮ ምስ ሰኣንኩ፥ ‘ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ክትፋረድ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብዶ ትደሊ?’ በልክዎ። ጳውሎስ ግና ፍርዲ ቄሳር ክሳዕ ዝወሃቦ ይግባይ ስለ ዝበለ፥ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ክሕሎ ኣዘዝኩ።” ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣነውን ባዕለይ ክሰምዖ እደሊ እየ” በሎ። ፊስጦስ ድማ “እምበኣር ፅባሕ ክትሰምዖ ኢኻ” በሎ። ጳውሎስ ምስ መፀ ፊስጦስ “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ኣቱም ኣብዙይ ምሳና ዘለኹም ኵልኻትኩም ስምዑ፦ ኵላቶም ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮነ ኣብዙይ ‘ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ’ እናበሉ ዝጠርዑሉ፥ እዝ እትሪእዎ ዘለኹም ሰብኣይ እዩ። ኣነ ግና መርሚረ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል ከቶ ኣይረኸብኩሉን፤ ባዕሉ ‘ናብ ቄሳር ይግባይ’ ምስ በለ ኸዓ፥ ንምስዳዱ ወሲነ ኣለኹ። እንተ ኾነ ብዛዕባኡ፥ ናብ ጐይታይ ዝፅሕፎ ፍሉጥ ነገር የብለይን፤ ስለዙይ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝፅሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብስ፥ ናባኻትኩም፥ ምናዳ ኸዓ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ። ንሓደ እሱር መኽሰሲኡ እንተይነገርኩ ምስዳዱ፥ ቅኑዕ ኾይኑ ኣይተርአየንንሞ” በለ። ኣግሪጳ ንጳውሎስ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ኸምዙይ እናበለ ኽዛረብ ጀመረ፦ “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ብዛዕባ እቲ ብኣይሁድ ዝኽሰሰሉ ዘለኹ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ሎሚ መልሲ ኽምልስ ስለ ዝተፈቐደለይ፥ የመና ሕጉስ እየ። ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዙይ ድማ ብትዕግስቲ ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ። ክምስክሩ እንተ ደኣ ደልዮምስ፥ ኣነ ኻብቶም ብዛዕባ ኣምልኾትና ኣፀቢቖም ዝጥንቀቑ፥ ወገን ፈሪሳውያን ከም ዝነበርኩ፥ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም። ሕዚ ድማ በታ እግዚኣብሄር ነቦታትና ዝሃቦም ናይ ተስፋ ቓል፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ደው ኢለ እኒሀኹ። እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድና ኸዓ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንእግዚኣብሄር እናምለኹ፥ ናይዛ ቓል ተስፋ እዚኣ ፍፃሜ ይፅበዩ ነበሩ። ኣነውን ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ፥ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘለኹ፤ እግዚኣብሄር፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓደ ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትሪእዎ ኣለኹም? ኣነ ንባዕለይ ብዝከኣለኒ ዅሉ፥ ኣብ ልዕሊ ስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ዝፃረር ነገር ክገብር፥ ግቡእ እዩ ኢለ እኣምን ነበርኩ። ነዙይ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገይረዮ እየ፤ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተቐቢለ፥ ንብዙሓት ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተኽዎም፤ ክቐትልዎም እንተለዉውን ሓቢረ ተሰማማዕኹ። ኣብ ኵሉ ኣብያተ ፀሎት ድማ፥ ብዙሕ ጊዜ እናቐፃዕኹ፥ እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ገበርክዎም፤ የመና እናደድ ስለ ዝነበርኩ ኸዓ፥ ክሳዕ እተን ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ኸተማታት እናሰዓብኩ፥ ኣሳጕጎም ነበርኩ።” “በዝ ጉዳይ እዙይ፥ ብትእዛዝ ሊቃነ ካህናትን ብፍቓዶምን፥ ናብ ደማስቆ ክኸይድ እንተለኹ፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ቐትሪ ኣብ መንገዲ እንተለኹ፥ ካብ ፀሓይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን፥ ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን፥ ከንፀባርቕ እንተሎ ረአኹ። ኵላትና ኣብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ ‘ሳውል! ሳውል! ስለ ምንታይ እተሳጕጐኒ? በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ፥ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ’ ኢሉ ዝዛረበኒ ድምፂ ሰማዕኹ። ኣነ ድማ ‘መን ኢኻ ጐይታይ?’ በልክዎ፤ ጐይታ ኸዓ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ ኢየሱስ እየ። ግና ተስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፤ በቲ ዝረአኻንን ድሕሪ ሕዚ እውን ክትሪኦ ዘለካን፥ ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን ስለ ዝመረፅኩኻ እየ ዝተገለፅኩልካ። ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናብኣቶም ዝልእኸካ ኣህዛብን ከዓ፥ ከናግፈካ እየ። ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።” “እምበኣር፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን። እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ። ብዛዕባ እዙይ ከዓ፥ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ፤ ክቐትሉኒውን ደለዩ። እንተ ኾነ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ረድኤት እግዚኣብሄር ረኺበ፥ ንንኡስን ንዓቢይን እናመስከርኩ፥ ደው ኢለ እኒሀኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነቢያትን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝተዛረብዎ፥ ካልእ ሓደኳ ኣይወሰኽኩን። ንሳቶም ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል፥ መጀመርታ ኻብ ሞት ብምትሳኡውን፥ ንህዝቢ እስራኤልን፥ ንኣህዛብን ብርሃን ከም ዘብስር ተዛሪቦም ነበሩ።” ከምዙይ ኢሉ ብዛዕባ ርእሱ ምስ ተዛረበ ድማ፥ ፊስጦስ ዓው ኢሉ፥ “ጳውሎስ ዓቢድካ ኢኻ? እዝ ብዙሕ ትምህርትኻ፥ ናብ ዕብዳን ኣብፂሑካ ኣሎ” በሎ። ጳውሎስ ከዓ፥ “ኦ ኽቡር ፊስጦስ! እታ ፅርይቲ ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣይዓበድኩን። እዝ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ ኣግሪጳ ድማ፥ ነዝ ነገር እዙይ ይፈልጦ እዩ፤ ብሕቡእ ስለ ዘይተገብረ፥ እዝ ነገር እዙይ ከም ዘይስሕቶ እፈልጥ እየ። ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ንነቢያትዶ ተኣምኖም ኢኻ? ከም እትኣምኖም ድማ እፈልጥ እየ።” ኣግሪጳ ኸዓ ንጳውሎስ “ብሓፂር ጊዜዶ፥ ክርስቲያን ክትገብረኒ ደሊኻ?” በሎ። ጳውሎስ ከዓ “እንተስ ብሓፂሩ እንተስ ብነዊሑ፥ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮንካስ፥ ኵሎም እዞም ሎሚ ዝሰምዑኒ ዘለዉውን፥ እንትርፊ እዝ መቝሐይ፥ ከምዝ ኸማይ ክኾኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር እልምን ኣለኹ” በለ። ሽዑ እቲ ንጉስን፥ እቲ ሹም ብርኒቄን፥ እቶም መቓምጦምን ተስኡ። ካብኡ ወፂኦም ምስ ከዱ ንስንሳቶም፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ፥ ሓንቲ ነገር እኳ ኣይገበረን ተበሃሃሉ። ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢሉ እንተ ዘይኸውንስ፥ ክፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ” በሎ። ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተወሰነ፥ ናብ ሃገር እስያ ዝነቐለት፥ ካብ ኣድራሚጢስ ዝመፀት መርከብ ጌርና ጕዕዞና ጀመርና። ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብር ኣርስጣርኮስ ዝተብሃለ መቄዶንያዊ ድማ፥ ምሳና ኸደ። ብፅባሒቱ ኣብ ሲዶና በፃሕና፤ ዩልዮስ ከዓ ንጳውሎስ ራህርሀሉ፤ ናብ ፈተውቱ ኽበፅሕ እሞ፥ ካብኣቶም ሓገዝ ኽረክብውን ፈቐደሉ። ካብኣ ተልዒልና ኸዓ፥ ንፋስ ኣብ ቕድሜና ስለ ዝነበረ፥ ንቆጵሮስ ከውሊ ጌርና ሓለፍና። ኣብ ጥቓ ቂልቅያን ጵምፍልያን ዘሎ ባሕሪ ሓሊፍና፥ ናብታ ኣብ ሃገር ሉቅያ እትርከብ ሙራ ናብ እትበሃል ወደብ ኣተና። እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ ናይ እስክንድርያ መርከብ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣደየበና። እታ መርከብ፥ ብዙሕ መዓልቲ ሰለይ እናበለት ትጐዓዝ ነበረት፤ ብጭንቂ ድማ፥ ኣብ ማዕዶ ቀኒዶስ በፃሕና፤ ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ ምስ ከልከለና ኸዓ፥ ንቀርጤስ ከውልና ጌርና፥ ብማዕዶ ሰልሙና ሓለፍና። ብብዙሕ ጭንቂ ፀግዓ ፀግዒ ምስ ሓለፍና፥ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ “ፅብቕቲ ወደብ” ናብ እትብሃል በፃሕና። ከምዙይ ኢሉውን ብዙሕ ጊዜ ሓለፈ፤ እቲ መዓልቲ ፆም ኣይሁድ “ኣቱም ሰባት ስምዑኒ፤ ጕዕዞና ንመርከብን ፅዕነትን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንህይወትና ብዙሕ ጥፍኣትን ጕድኣትን ከም ዘስዕብ ይረአየኒ ኣሎ” ኢሉ መኸሮም። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ ካብቲ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ነቲ መራሒ መርከብን ነቲ ዋናኡን ኣብሊፁ ይኣምን ነበረ። እቲ ወደብ፥ ክረምቲ ክኸርሙሉ ዘይምቾ ስለ ዝነበረ፥ መብዛሕትኦም ካብኡ ኽወፁ፥ እንተ ተኻኢልዎም ከዓ፥ ኣብ ፍንቄ ክኸርሙ መኸሩ። ንሳ እታ ናብ ደቡባዊ ምዕራብን፥ ሰሜናዊ ምዕራብን ኣቢላ እትርኢ፥ ናይ ቀርጤስ ወደብ ነበረት። ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸዓ፥ ከም ሓሳቦም ዝኾነሎም መሲልዎም፥ መልህቅ ኣልዒሎም ብፀግዒ ቀርጤስ ሓለፉ። ሽዑ ኸዓ ብዙሕ እንተይደንጐየ “ሰሜናዊ ምብራቕ” ነታ መርከብ ደፊኡ ምስ ወሰዳ ኸዓ፥ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፥ ናብ ዝኸደት ትኪድ ኢልና ሓደግናያ። ኣብ ከውሊ እታ ቄዳ እትበሃል ደሴት ምስ በፃሕና ድማ፥ ብብዙሕ ጭንቂ፥ ንጃልባ እታ መርከብ ክነድሕና ኸኣልና። ነታ ጃልባ ስሒቦም ምስ ኣውፅእዋ፥ ነታ መርከብ ብታሕቲ ብገመድ ኣሰርዋ። ኣብ ድበት ሑፃ፥ ናብ ስርቲስ ከይወድቁ ፈሪሖም ድማ፥ ነቲ ጋንፅላ ጠቕሊሎም፥ ብንፋስ ክትከይድ ሓደግዋ። ንፅባሒቱ ማዕበል እናበርትዐና ምስ ከደ ድማ፥ ካብቲ ፅዕነት፥ ናብ ባሕሪ ኽድርብዩ ጀመሩ። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ መሳርሒታት መርከብ፥ በእዳዎም እናልዓሉ ደርበይዎ። ብዙሕ መዓልቲ፥ ፀሓይ ኮነ ከዋኽብቲ እንተይረአና ቐነና፤ እኽሊ እንተይጠዓሙ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ፥ ጳውሎስ ኣብ ማእኸል ደው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ምኽረይ ሰሚዕኹምኒ እንተትኾኑ ኔርኩም፥ ካብ ቀርጤስውን እንተ ዘይትወፁ፥ እዝ ዅሉ መከራን ጕድኣትን ኣይምረኸበኩምን ነይሩ። ሕዚ ድማ ብዘይ እታ መርከብ፥ ካባና ሓደኳ ኣይጕዳእን እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሑ እብለኩም ኣለኹ። በዛ ለይቲ እዚኣ፥ እቲ ኣነ ናቱ ዝኾንኩን ዘገልግሎን እግዚኣብሄር፥ ዝለኣኾ መልኣኽ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ፥ ‘ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሳር፥ ደው ክትብል ኢኻ፤ እንሆ ነቶም ምሳኻ ዝጐዓዙ ዅላቶምውን፥ እግዚኣብሄር ሂቡካ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍራሕ’ በለኒ። ሕዚ እውን ኣቱም ሰባት ኣይዞኹም፤ ኣነ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዝኸውን፥ ንእግዚኣብሄር እኣምኖ እየ። እንተ ኾነ፥ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንበፅሕ ኣለና” በሎም። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ለይቲ፥ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ንፋስ እናጋፍዐና ኽንከይድ እንተለና፥ እቶም መርከበኛታት ኣብ ፍርቂ ለይቲ፥ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። ሽዑ መለክዒ እንተ ኣውረዱ፥ ኣርብዓ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ። ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሎም ከዓ፥ ካልኣይ መለክዒ ኣውረዱ እሞ፥ ሰላሳ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ። ምስ ኰኵሒ ኸይላተሙ ፈሪሖም ከዓ፥ ብወገን ድሕሪት እታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ፤ ክወግሐሎም ድማ ፀለዩ። እቶም መርከበኛታት ድማ፥ ካብታ መርከብ ክሃድሙ ደልዮም፥ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዘውርዱ መሲሎም፥ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ። ጳውሎስ ከዓ፥ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወታደራትን “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይፀኒሖም፥ ንስኻትኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። ሽዑ እቶም ወታደራት መእሰሪ እታ ጃልባ በቲኾም፥ ክትወድቕ ሓደግዋ። ምስ ወግሐ፥ ጳውሎስ “እናተፀበኹም እኽሊ ኻብ ዘይትጥዕሙ ሎሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፥ እንጀራ ብልዑ” ኢሉ ንዅሎም ለመኖም። “እምበኣርከስ፥ ካባኻትኩም ናይ ሓደ ፀጕሪ ርእሱ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽትፀንሑ፥ ክትበልዑ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም። እዙይ ምስ በለ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ኽበልዕ ጀመረ። ኵላቶም ከዓ ተፀናንዑ፤ እንጀራውን በልዑ። ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዅላትና፥ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሽዱሽተን ሰባት ነበርና። በሊዖም ምስ ፀገቡ ኸዓ፥ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፥ ነታ መርከብ ኣቃለሉላ። ምስ ወግሐ ነቲ ምድሪ ምልላዩ ሰኣኑ፤ ኣማዕድዮም ግና ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረአዩ እሞ፥ እንተ ተኽኢልዎምስ ነታ መርከብ ናብኡ ኸብፅሕዋ ደለዩ። ነቲ መልህቅ ከዓ ፈቲሖም፥ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ ሽዑ ነቲ መእሰሪ ስካን ፈትሕዎ፤ ነቲ ንእሽቶይ ጋንፅላ ንንፋስ ገቲሮምውን፥ ናብቲ ገምገም ገፆም ከዱ። ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በፅሑ ኸዓ፥ እታ መርከብ ብወገን ቅድሚታ፥ ኣብ ምድሪ ተሸኽለት እሞ፥ ዘይትነቓነቕ ኮነት፤ ብድሕሪኣ ኸዓ ማዕበል በርቲዑዋ ተሰብረት። እቶም እሱራት ምእንቲ ሓሚሶም ከየምልጡ፥ እቶም ወታደራት ነቶም እሱራት ክቐትልዎም ተማኸሩ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ከድሕኖ ስለ ዝደለየ፥ ነቲ ምኽሮም ኣይተቐበሎን፤ እኳ ደኣ ነቶም ምሕማስ ዝኽእሉ፥ ሓሚሶም ናብ ምድሪ ኽወፁ ኣዘዘ። ነቶም ዝተረፉ ኸዓ ገሊኣቶም ብሉሕ፥ ገሊኣቶምውን ብስባር እታ መርከብ ክወፁ ኣዘዘ። በዝ ኸምዙይ ኵላቶም ድሒኖም፥ ናብ ምድሪ በፅሑ። ብድሓን ናብ ምድሪ ምስ በፃሕና፥ እታ ደሴት “መላጥያ” እቶም ደቂ ዓዲ ድማ፥ የመና ራህርሁልና፤ ፅቡቕ ድማ ገበሩልና፤ ሽዑ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረ፥ ቍሪውን ስለ ዝነበረ፥ ሓዊ ኣንዲዶም ብፅቡቕ ተቐበሉና። ጳውሎስ ከዓ፥ ብዙሕ ጭራሮ ኣኪቡ፥ ናብ ሓዊ ኸእቱ እንተሎ፥ ካብ ሙቐት እቲ ዝነድድ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ኣፍዑት ወፂኣ ንኢዱ ነኺሳ ተንጠልጠለት። እቶም ደቂ ዓዲ ኸዓ፥ እታ ኣፍዑት ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢላ ምስ ረአዩዋ፥ ንስንሳቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ብርግፅ ቀታሊ ነፍሲ እዩ፤ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፥ ፍርዲ እግዚኣብሄር ብህይወት ክነብር ኣይሓደጎን” ተበሃሃሉ። ጳውሎስ ግና ነታ ኣፍዑት፥ ናብቲ ሓዊ ነፀጋ፤ ሓደኳ ጕድኣት ኣይረኸቦን። ንሳቶም ግና ዝሓብጥ እሞ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝመውት መሲልዎም ነበረ። እናረአይዎ ድማ ንነዊሕ ጊዜ ፀንሑ፤ ዝኾነ ጕድኣት ከም ዘይበፅሖ ምስ ረአዩ፥ ቃሎም ለዊጦም “እዙይስ ኣምላኽ እዩ” በሉ። ኣብታ ቦታ፥ ፑፕልዮስ ዝበሃል ገዛኢ እታ ደሴት ከዓ፥ ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ መሬት ነበሮ። ንሱ ብፅቡቕ ተቐቢሉ ንሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ ገዛኡ ኣአንገደና። ኣቦ ፑፕልዮስ ድማ፥ ረስንን ውፅኣትን ሓሚሙ ነበረ፤ ጳውሎስ ከዓ ናብኡ ኣትዩ ፀለየሉ፤ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ። ከምኡውን ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ሕሙማት፥ ናብኡ እናመፁ ተፈወሱ። ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ኣኽበሩና፤ ብመርከብ ክንለዓል እንተለናውን፥ ንጕዕዞና ዘድልየና ዅሉ ሂቦም፥ ኣፋነውና። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸዓ፥ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፥ ናይ ዲዮስቆሮስ ዝተብሃለት፥ ናይ መንታ ኣማልኽቲ ምልክት ዝነበራ መርከብ እስክንድርያ ጌርና ተልዓልና። ኣብ ሰራኩስ ምስ በፃሕና ድማ፥ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ፀናሕና። ካብኣ ሓሊፍና ኸዓ፥ ናብ ሬጊዩም ኣተና፤ ንፅባሒቱ ተልዒልና፥ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ንፋስ ደቡብ ነፈሰ እሞ፥ ብኻልአይቲ መዓልቲ ፑቲዮሉስ ኣብኣ ድማ ኣሕዋት ረኸብና እሞ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስኣቶም ክንቅኒ ለመኑና፤ ብድሕሪኡ ናብ ሮሜ ከድና። እቶም ኣሕዋት ወረና ምስ ሰምዑ፥ ክሳዕ እቲ ኣጵያስ ዝበሃል ዕዳጋን ክሳዕ “ሰለስተ መሕደሪ” እትብሃል ቦታን መፂኦም ተቐበሉና፤ ጳውሎስ ከዓ ምስ ረአዮም፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ የመናውን ተፀናንዐ። ኣብ ሮሜ ምስ ኣተና ኸዓ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ነቶም እሱራት፥ ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንጳውሎስ ግና፥ ምስ ሓደ ዝሕልዎ ወታደር ንበይኑ ኽቕመጥ ፈቐደሉ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ፀዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ድማ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ምስ ህዝብና ኾነ ወይ ምስ ስርዓት ኣቦታትና፥ ዝፃረር ነገር እኳ ኣይገበርኩን፤ እንተ ኾነ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ፥ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፎም ሃቡኒ። ንሳቶም መርሚሮም፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ ምኽንያት ምስ ሰኣኑለይ ከዓ፥ ክፈትሑኒ ደለዩ። ኣይሁድ ምስ ተቓወሙኒ ግና፥ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዘይብለይ እንተለኹ፥ ናብ ቄሳር ይግባይ ክብል ተገደድኩ። እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ፥ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ፥ ክሪአኩምን ክዛረበኩምን ዝፀዋዕኩኹም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባኻ፥ ካብ ሃገር ይሁዳ መልእኽቲ ኣይተቐበልናን፤ ካብ ኣሕዋትውን መፂኡ ዝገለፀልና ወይ ብዛዕባኻ ኽፉእ ዝነገረና የለን። ብዛዕባ እዛ እምነት እዚኣ ግና፥ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዝቃወምዋ፥ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ እቲ ንስኻ እትሓስቦ፥ ካባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኢና” በልዎ። ገሊኣቶም ነቲ ዝተነግረ ኣመንዎ፤ ገሊኣቶም ግና ምእማን ኣበዩ። ጳውሎስ፥ ነዝ ዝስዕብ ቃል ምስ ተዛረበ፥ ንስንሳቶም ምስምማዕ ስኢኖም ተፈላለዩ፤ “መንፈስ ቅዱስ፥ ብነቢይ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ከምዙይ እናበለ ዝተዛረቦም፥ ፅቡቕ ገበረ፦ ግና ኣይትርድኡን፥ ኢልካ ንገሮም። ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድንዙዝ እዩ።’ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣይሁድ ንስንሳቶም ብዙሕ እናተኻትዑ ወፁ። ጳውሎስ ከዓ፥ ኣብታ ዝተኻረያ ገዛ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፤ ነቶም ናብኡ ዝመፁ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ። እንተይተኸልከለ ኸዓ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ብብዙሕ ትብዓት ይሰብኽ፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ይምህር ነበረ። እዝ ወንጌል እዙይ፥ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ፥ ብቅዱሳት መፃሕፍቲ ኣቐዲሙ ዘተስፈዎ እዩ። እዝ ወንጌል እዙይውን፥ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ ወዱ እዩ ዝዛረብ። ካብ ምዉታን ብምትሳኡ ድማ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝኣምኑን ከም ዝእዘዙን ክንገብር፥ ብእኡን ምእንቲ ስሙን፥ ፀጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና። ንስኻትኩምውን ከምኣቶም፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትኮኑ፥ ተፀዊዕኹም ኢኹም። ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። እንተየቋረፅኩ ዅልሻዕ ኣብ ፀሎተይ ከም ዝዝክረኩም፥ እቲ ወንጌል ወዱ እናሰበኽኩ፥ ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ናባኻትኩምውን ክመፅእ፥ መንገደይ ከቕንዐለይ እፅሊ ኣለኹ። ብእምነት ምእንቲ ኽትፀንዑ፥ መንፈሳዊ ውህብቶ ኸካፍለኩም ስለ ዝደሊ፥ ክሪአኩም እናፍቕ ኣለኹ። እዙይ ከዓ ኣነን ንስኻትኩምን፥ በታ ዘላትና እምነት፥ ንስንሳትና ምእንቲ ኽንፀናናዕ ኢለ እየ። ንግሪካውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን፥ ንዝተምሃሩን ንዘይተምሃሩን፥ ክሰብኽ ዕዳ ኣለኒ። ስለዙይ ኣብ ሮሜ ንዘለኹምውን፥ ወንጌል ክሰብከልኩም ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ። ከምቲ ፅሑፍ “ፃድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር” ዝብሎ፥ እቲ ፅድቂ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ እዩ ዝገሃድ። እግዚኣብሄር ስለ ዝገለፀሎም፥ እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዝግባእ ኣብኣቶም ግሉፅ እዩ። ዘመኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ፥ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ተርእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሄር፥ ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፥ በቲ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣፀቢቑ ተግሃደ። ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ። ለባማት ኢና እኳ እንተ በሉ፥ ዓሻታት ኮኑ። ንኽብሪ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ፥ ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን፥ ኣዕዋፍን፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን፥ ናብ ለመም ዝብሉን ለወጥዎ። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ብትምኒት ልቦም ንስንሳቶም ሰብነቶም ከሕስሩ፥ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። እዙይ ከዓ ነቲ ሓቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓሰት ስለ ዝለወጥዎ፥ ክንዲ ፈጣሪውን፥ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን እዩ፤ ንሱ ግና ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ኣሜን። በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዘነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም እንተይተረፋ፥ ነቲ ፆታዊ ባህርየን ሓዲገን፥ ንፆታዊ ባህርየን ዘይግባእ ፈፀማ። ሰብኡትውን ከምኡ፥ ነቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍፀም ባህርዮም ሓዲጎም፥ ንስንሳቶም ብፍትወቶም ነደዱ፤ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፤ ናይቲ ዝገበርዎ ስሕተትውን፥ ግቡእ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረዱ። ስለዙይ ብዓመፅ፥ ብኽፍኣት፥ ብስስዐ፥ ብቕንኣት፥ ብቕትለት፥ ብባእሲ፥ ብምጥፍፋእ፥ ብእከይ ምሉኣት ኮኑ። ከምኡውን ስም ሰብ ዘፀልሙ፥ ሓመይቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፀልኡ፥ ዕቡያት፥ ተጀሃርቲ፥ ክፍኣት ዝኣልሙ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥ ዘየስተውዕሉ፥ ጠላማት፥ ፍቕሪ ዘይብሎም፥ ጨካናት እዮም። እዚኣቶም “እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሞት ይግብኦም እዩ” ዝብል፥ ቅኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር እናፈለጡ፥ ነዝ ዅሉ ይፍፅሙ ኣለዉ፤ እዙይ ከይኣኽሎም ከዓ፥ ነቶም ከምኡ ዝገብሩውን የተባብዑ ኣለዉ። ንሕና ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ፥ ግቡእ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ ከም ዝወርድ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ እትፈርድ፥ ባዕልኻውን ከምቲ ግብሮም እትገብር ሰብ፥ ካብ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ እተምልጥዶ ይመስለካ? ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ እሞ። ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ። ንዅሉ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ስቓይን መከራን ክወርዶ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ። ሰናይ ንዝገብር ኵሉ ግና፥ ምስጋናን ክብርን ሰላምን ክወሃቦ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ። እግዚኣብሄር፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም ዝፀድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቁ። እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ፥ ብባህርዮም ተመሪሖም ዝፍፅምዎ፥ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም እኳ፥ ንባዕላቶም ሕጊ እዮም። በዙይ ከዓ ንሳቶም ሕሊናኦም እናመስከረሎም፥ ሓሳቦምውን ሓንሳእ እንትወቕሶም፥ ሓንሳዕውን እንትድግፎም ብምርካቡ፥ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ዝተፅሓፈ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ። ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝኾነ እትፈልጥ፥ ሕጊ ስለ ዝተምሃርካ፥ ዝሐሸ ነገር ፈሊኻ እትፈልጥ፥ “መራሒ ዕውራት፥ ኣብ ፀልማት ንዘለዉ ኸዓ ብርሃን እየ” ኢልካውን እትምካሕ፥ እቲ ብሕጊ ዝርከብ ፍልጠትን ሓቅን ስለ ዘለካ ኸዓ “ንዓያሹ መለበሚ፥ ናይ ህፃናት ከዓ መምህር እየ” እትብል ኢኻ። እምበኣር፥ ኣታ ንኻልእ እትምህር፥ ንባዕልኻ ደኣ ዘይትምህር? ኣይትስረቑ ኢልካ ትምህር፥ ንባዕልኻ ግና ትሰርቕ። ኣይትዘምዉ ትብል፥ ንስኻዶ ትዝሙ? ጣዖት ትፅየፍ፥ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ከምቲ “ብሰንክኹም፥ ስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ይፅረፍ ኣሎ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፥ ሕጊ ብምፍራስካ ንእግዚኣብሄር ተቃልሎ ኣለኻ። እምበኣር እቲ ዘይግሩዝ፥ ነቲ ትእዛዝ ሕጊ እንተ ሓልይዎ፥ እቲ ዘይምግራዙ ኸም ግርዘት ኮይኑዶ፥ ኣይቝፀረሉን እዩ? እቲ ብስጋ ዘይተገርዘ እናሃለወ ሕጊ ዝሕሉ፥ ፅሑፍ ሕግን ግርዘትን እንተለካ ሕጊ ንእተፍርስ፥ ንኣኻ ክዅንነካ እዩ። ብዝረአ ኣይሁዳዊ ምዃን፥ ኣይሁዳዊ ኣይትገብርን እያ፤ እታ ብዝረአ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘትውን፥ ግርዘት ኣይኮነትን። ኣይሁዳዊ ማለት፥ እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ እዩ እሞ። ግርዘት ከዓ፥ ብሕጊ ዘይኮነስ፥ እታ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልቢ እትግበር ግርዘት እያ። ከምዙይ ዝመሰለ ሰብ፥ ናእዳኡ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይኮነን። ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ? ብዅሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዅሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም እዩ ብሕድሪ ዝተውሃቦም። ካብኣቶም ዘይኣምኑ እንተ ሃልዮምከ፥ እቲ ናታቶም ዘይምእማን፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተኣማንነትዶ ኸንቱ ይገብሮ እዩ? ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ። እቲ ኽፍኣትና፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅ ካብ ኮነ፥ እንታይ ንበል? እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኽቐፅዕ እንተሎኸ፥ ዓማፂ ማለት ድዩ? ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ። ኣይፋሉን፤ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ እግዚኣብሄር ንዓለም ምፈረዳ? ሓሰተይ፥ ንሓቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅን፥ ንኽብሩውን ዝውስክ ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓጥእ ኮይነ ዝፍረድ? ከምቲ ገሊኣቶም “ፅቡቕ ምእንቲ ኽንረክብስ፥ ክፉእ ንግበር” ከም ዝበልና ገይሮም ከካፍኡና ዝፀርፉና፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምኡ ዘይንብል? ነዚኣቶም ዝፍረዶም ፍርዲ ቕኑዕ እዩ። ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤ ሓደኳ የለን። ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም፥ ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ። ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፋት እየን። ኣብ መንገዶም ዕንወትን መከራን ኣሎ፤ ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ። ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን። ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ። በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ። ኣብዝ ዘመን እዙይ ዝገልፆ ዘሎ ኸዓ፥ ንሱ ፃድቕ ከም ዝኾነ፥ ነቲ ብኢየሱስ ዝኣምን ኵሉውን ከም ዝፀድቕ፥ ምእንቲ ኸርኢ እዩ። ሰብ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ብእምነት ከም ዝፀድቕ ንፈልጥ ኢና። እግዚኣብሄር ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራሕ ድዩ? ናይ ኣህዛብውን ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ናይ ኣህዛብውን እባ። እቲ ንግሩዝ ብእምነት፥ ንዘይግሩዝውን ብእምነት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር፥ ሓደ እዩ። እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር። እምበኣር እቲ ብስጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም፥ እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና? ኣብርሃም ብስራሑ ፀዲቑ እንተ ዝኸውን፥ ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና፥ ሓንቲ እኳ የብሉን። መፅሓፍከ እንታይ ይብል? “ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑ ድማ ተቘፀረሉ” ይብል። ነቲ ዝሰርሕ ሰብ፥ ደመወዙ ኸም ግቡእ ኾይኑ ይቝፀረሉ እምበር፥ ከም ውህብቶ ኣይኮነን። ሰብ ሰናይ ተግባር እንተ ዘይብሉ እኳ፥ በቲ ንሓጢኣተኛታት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እንተ ኣሚኑ፥ እቲ እምነቱ፥ ፅድቂ ኾይኑ ይቝፀረሉ እዩ። ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሄር ዘፅድቖ ሰብ፥ ብፁእ ከም ዝኾነ ኽዛረብ እንተሎ፥ ከምዙይ ይብል፦ ሓጢኣቶምውን ዝተሓደገሎም፥ ብፁኣን እዮም። እዛ ብፅእና እዚኣ፥ ንግሩዛት ጥራሕ ድያ ወይ ንዘይተገርዙውን? ንኣብርሃም፥ እታ እምነቱ ፅድቂ ኾይና ተቘፀረትሉ ኢልና ኣለና። ከመይ ኢላ እያኸ ዝተቘፀረትሉ? ምስ ተገርዘ ድያ? ወይ እንተይተገርዘ? እንተይተገርዘ እያ እምበር፥ ምስተገርዘ ኣይኮነትን። ነታ ገና ኸይተገርዘ እንተሎ፥ ብእምነት ዝረኸባ ፅድቂ፥ ምልክትን ማሕተምን ክትከውን፥ ግርዘት ተቐበለ። ስለዙይ፥ ነቶም ኵሎም እንተይተገርዙ ዝኣምኑ እሞ፥ እምነቶም ፅድቂ ኾይኑ ንዝቝፀረሎም ድማ፥ ኣቦ ኾኖም። ኣቦ ግሩዛትውን እዩ፤ እዙይ ከዓ ስለ ዝተገረዙ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነታ ኣብርሃም ከይተገረዘ እንተሎ ዝረኸባ እምነት፥ ስለ ዝሰዓቡ እዩ። እቶም ፈፀምቲ ሕጊ ዝወርሱ እንተ ዝኾኑ ግና፥ እምነት ከንቱ ምኾነት፤ ተስፋ ኸዓ ዋጋ ኣይምነበራን። ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዘምፅእ፤ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፥ ኣብኡ ምጥሓስ ሕጊ የለን። እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ። እዙይ ድማ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዘሎ እዩ። ተስፋ ንኣብርሃም ዝተውሃቦ፥ ንሱ ንዝሞቱ ህይወት ብዝህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህልውና ብዝፅውዕ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነ እዩ። ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን። ነቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ እግዚኣብሄር ክፍፅሞ ኸም ዝኽእል፥ ኣፀቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዙይ ድማ “እምነቱ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።” ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተስኦ ንእንኣምን፥ ንኣናውን ክቝፀረልና እዩ። ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ዝኾነ፥ ንኣና ንኸፅድቕውን ካብ ሞት ተስአ። ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና። በዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እቲ መከራ፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅእ ስለ ዝፈለጥና፥ ብመከራና ድማ ንምካሕ እምበር። ብትዕግስቲ ፅንዓት፥ ብፅንዓት ከዓ ተስፋ ይርከብ። እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ። ክንዲ ፃድቕ ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ። እምበኣር ሕዚ ብደሙ ዝፀደቕና ኻብ ኮንና፥ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ፥ ብእኡ ኽንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን! ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና። ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምምፃኡ፥ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብቲ ሕጊ ዘይነበረሉ፥ እቲ ሓጢኣት ከም ሓጢኣት ኣይቝፀርን ነበረ። ሞት ግና፥ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ፥ ኣብቶም ከም ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ሓጢኣት ዘይገበሩውን፥ ግና ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ በደልን ሓደ ኣይኮነን፤ ብበደል ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ከም ዝሞቱ፥ እቲ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ብኸምኡ ዝተውሃበ፥ ናይቲ ሓደ ሰብ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ውህብቶ ፀጋ፥ ኣብ ብዙሓት የመና በዚሑ ኣሎ። እቲ ብፀጋ ዝተረኽበ ውህብቶ፥ ከም ሳዕቤን ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝመፀ ሓጢኣት ኣይኮነን። ብሓጢኣት ሓደ ሰብ ዝመፀ ፍርዲ፥ ኵነኔ ኣስዓበ፤ ድሕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ዝተውሃበ ፀጋ ኸዓ፥ ፅድቂ ኣፍረየ። ሞት ብሰንኪ ሓጢኣት ሓደ ሰብ ካብ ነገሰ፥ እቶም ብዙሕ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ ውህብቶ ፅድቅን ዝረኸቡ ደኣ፥ በቲ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣብሊፆም ዘይነግሱ! እምበኣር ከምቲ ብናይ ሓደ ሰብ በደል፥ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመፀ፥ ከምኡ ድማ ብናይ ሓደ ግብሪ ፅድቂ፥ ንዅሉ ሰብ ህይወት እትህብ ፅድቂ መፀት። ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ሓጥኣን ከም ዝኾኑ፥ ከምኡ ኸዓ ብምእዛዝ እቲ ሓደ፥ ብዙሓት ፃድቃን ክኾኑ እዮም። ሓጢኣት ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ። ስለዙይ፥ ከምቲ ሓጢኣት ሞት ብምምፃእ ዝነገሰ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምኡ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ብፅድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክነግስ እዩ። ኣይፋልናን፤ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር? ንሕና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኽንከውን ዝተጠመቕና፥ ናይ ሞቱ ተኻፈልቲ ኽንከውን ከም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ፥ ብናይ ኣብ ክብሪ ኻብ ሙታን ዝተስአ፥ ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽሰዓር፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና፥ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂኡ እዩ እሞ። ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፥ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር ነኣምን ኢና። እቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ፥ መሊሱ ኸም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና፤ ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን የብሉን። ንሱ ብሞቱ፥ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ። እምበኣር ንስጋዊ ድልየትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዝ መዋቲ ስጋኹም፥ ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተስኡ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንኩም፥ ሓጢኣት ኣይገዝአኩምን እዩ እሞ። እሞኸ ደኣ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና፥ ሓጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን፤ ከም እዙዛት ባሮት ኴንኩም፥ ርእስኹም እንተ ኣግዛእኹም፥ ናይቲ እትእዘዝዎ፥ ባሮት ከም ዝኾንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር፥ ንሞት ናይ ሓጢኣት ባሮት ወይ ንፅድቂ ናይ ምእዛዝ ባሮት ኢኹም። ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን። ከም ልማድ ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፥ ብስጋኹም ድኹማት ስለ ዝኾንኩም እዩ። ከምቲ ንርኽሰትን፥ እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ፥ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፥ ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብፅሕ ፅድቂ፥ ኣካላትኩም ወፍዩ። ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ፅድቂ ካብ ምስራሕ ሓራ ኔርኩም። ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ። ሕዚ ግና፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተገዛእኹም፥ ቅድስና ኣፍሪኹም ኣለኹም። መወዳእታኡ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ኣሕዋተይ፥ ሕጊ ንዝፈልጡ እየ ዝናገር ዘለኹ እሞ፥ ሕጊ ንሰብ ዝገዝኦ፥ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ጥራሕ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ። እምበኣር ሰብኣያ ብህይወቱ እንተሎ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ኾነት፥ ዘማዊት እያ እትበሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወፂኣ እያ እሞ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዐወት፥ ዘማዊት ኣይኮነትን። ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ፍረ ምእንቲ ኽነፍሪ፥ ንስኻትኩምውን ኣሕዋተይ ንኻልእ፥ ነቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብናይ ክርስቶስ ስጋ፥ ካብ ሕጊ ሓራ ወፂእኹም ኢኹም። ኣብቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ፥ ድልየት ሓጢኣት ኣብ ስጋና ይሰርሕ ነበረሞ፥ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረና። ሕዚ ግና ብብሉይ ናይ ሕጊ ፅሑፍ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ፥ [ብመንፈስ] ዝኾነ ብሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ክነገልግል፥ ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ፥ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና። ሓጢኣት፥ ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ፤ ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር፥ ክፉእ ትምኒታት ኣለዓዓለለይ። ኣነውን ቀደም ሕጊ እንተይመፀ፥ ህያው ነበርኩ፤ ትእዛዝ ምስ መፀ ግና፥ ሓጢኣት ህያው ኮነ፤ ኣነ ኸዓ ሞትኩ። እቲ ህይወት ከምፅእ ዝተውሃበ ትእዛዝ፥ ንኣይ ንሞት ኮነኒ። ሕጊ፥ ንሓጢኣት ምኽንያት ኮይንዎ፥ ብትእዛዝ ኣስሓተኒሞ፥ ብእኡውን ቀተለኒ። እቲ ሰናይ ድዩ ደኣ፥ ንኣይ ሞት ዘምፅአለይ? ኣይፋሉን፤ ሞት ዘምፅአለይስ፥ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት፥ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ኣምፅአለይ። በዙይ ከዓ እቲ ሓጢኣት፥ ብምኽንያት ትእዛዝ፥ ፍፁም ሓጢኣት ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽግለፅ እዩ። ሕጊ፥ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ኣነ ግና፥ ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ ሰብ እየ። ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እየ፤ ነቲ ዝፀልኦ እየ ዝገብሮ ዘለኹ እምበር፥ ነቲ ዝደልዮ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹሞ። ኣነ ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብር ግና፥ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እምስክር ኣለኹ። እምበኣር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ ዝገብሮ ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን። ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር፥ ሰናይ ግብርስ የብለይን። ስጋዊ ስለ ዝኾንኩ፥ ፅቡቕ ስራሕ ኣባይ ከም ዘየለ እፈልጥ እየ። ነቲ ኽገብሮ ዝደልዮ ሰናይ ዘይኮነስ፥ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልዮ ነገር እየ ዝገብር ዘለኹ። ነቲ ኣነ ዘይደልዮ ዝገብሮ ኻብ ኮንኩ ግና፥ ድሕሪ ሕዝስ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። እምበኣር፥ ኣነ ነቲ ሰናይ ክገብር እናደለኹ፥ ኣብ ልዕለይ እዝ ሕጊ፥ ክፉእ ኣምፂኡለይ ረኸብክዎ። ኣብ ውሽጠይ፥ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደስ ይብለኒ እዩ። ግና ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ፥ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ፥ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዝማርኸኒ፥ ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ። ኣነ ዝተዋረድኩ ሰብ እየ፤ ካብዝ መዋቲ ሰብነት መን ኮን ከድሕነኒ እዩ? እምበኣርስ ኣነ ብሓሳበይ ንሕጊ እግዚኣብሄር፥ ብስጋይ ድማ፥ ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣለኹሞ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ። እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ፥ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፥ ሓራ ኣውፂኡና ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ። እዙይ ከዓ፥ ብፍቓድ መንፈስ እምበር፥ ብፍቓድ ስጋ ኣብ ዘይንነብር፥ እቲ ሕጊ ዝጥይቖ ፅድቂ፥ ኣባና ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። እቶም ከም ፍቓድ ስጋኦም ዝነብሩ ዅሎም፥ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሓስቡ። እቶም ከም ፍቓድ መንፈስ ዝነብሩ ግና፥ ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ። ናይ ስጋ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ ሞት እዩ፤ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና፥ ህይወትን ሰላምን እዩ። እቲ ሓሳብ ስጋ፥ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝፃረር እዩ እሞ፥ ነቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣይግዝኦን፤ ክግዝኦውን ኣይኽእልን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ከሐጕስዎ ኣይኽእሉን። ንስኻትኩም ግና፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ብርግፅ ሓዲሩኩም እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብመንፈስ እምበር፥ ብስጋ ኣይኮንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ስጋኹም ብሰንኪ ሓጢኣት ምዉት እንተ ኾነኳ፥ እግዚኣብሄር ስለ ዘፅደቐኩም፥ እቲ መንፈስኩም ህያው እዩ። ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ መንፈስ፥ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፥ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፥ ህያው ክገብሮ እዩ። እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ ዕዳ ኣለና፤ ግና ኸም ፍቓድ ስጋ ኽንነብር፥ ንስጋስ ኣይኮንናን። ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም፥ ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ፥ ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩምዎ ግና፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ኵሎም እቶም ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝምርሑ ንሳቶም ውሉድ እግዚኣብሄር እዮም እሞ። ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን። ንሕና ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንና ኸዓ፥ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ፥ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር። እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ፥ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና። ስቓይ እዝ ዘመን እዙይ፥ ምስቲ ኣባና ኽግለፅ ዝመፅእ ዘሎ ኽብሪ እንትነፃፀር፥ ከም ዘይመጣጠን እቘፅሮ ኵሉ ፍጥረት፥ ነቲ ምግላፅ ደቂ እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎሞ፥ ብድልየቱ ዘይኮነስ፥ በቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ። ግና ኻብ መግዛእቲ ወፂኡ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ሓራ ኾይኖም፥ ናብ ዝኣትዉላ ኽብሪ ኽኣቱ፥ ተስፋ ኣለዎ። ኵሉ እቲ ፍጥረት፥ ምሳና ኾይኑ ቅልውላው ሒዝዎ፥ ክሳዕ ሕዚ ይግዕር ከም ዘሎ፥ ንፈልጥ ኢና። ፍጥረት ጥራሕውን ኣይኮነን። ንሕና፥ ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናውን፥ ናይ ስጋና ምድሓን ዝኾነ፥ መሰል ውሉድነት እናተፀበና፥ ብውሽጥና ንግዕር ኣለና። በዝ ተስፋዙይ ኢና ድሒንና ዘለናሞ። ነቲ ዘይንሪኦ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፥ ብትዕግስቲ ንፅበዮ። መንፈስ [ቅዱስ] ብድኻምና ይሕግዘና እዩ፤ ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ስለዙይ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝማልደልና። እቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር፥ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ፤ መንፈስ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን ይማልድ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና። ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም፥ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም። ነቶም ኣቐዲሙ ዝመደቦም፥ ንኣኣቶም ከዓ ፀውዖም፤ ነቶም ዝፀውዖም ድማ ኣፅደቖም፤ ነቶም ዘፅደቖምውን ኣኽበሮም። እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና? ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና? እቲ ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነቶም ናይ እግዚኣብሄር ሕሩያት ዝኸሶም ደኣ መን እዩ? እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና ዝማልድ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ፥ ጥሜት ድዩ፥ ዕርቃን ድዩ፥ ፍርሓት ድዩ፥ ወይ ሰይፊ? “ምእንታኻ በብመዓልቱ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ተቘፀርና” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ። እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና። ስለዙይ ሞት ኮነ ህይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ ወይ ዝኾነ ሓይሊ፥ ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ። ብክርስቶስ ሓቂ ኸም ዝዛረብ እምበር ከም ዘይሕሱ፥ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ እዩ። ብዙሕ ጓህን፥ ዘየቋርፅ ጭንቅን፥ ኣብ ልበይ ኣሎ። ኣነ ንባዕለይ፥ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ዝኾኑ፥ ርጉም ኮይነ፥ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ። ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፤ ውሉድነትን፥ ክብርን፥ ኪዳንን፥ ምሕጋግ ሕግን፥ ንኣምላኽ ምግልጋልን፥ ተስፋን፥ ናታቶም እዩ። ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወለዱ እዮም፤ ክርስቶስውን ብስጋ ኻብኣቶም እዩ ዝተወለደ። ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ፥ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ። ኣሜን! እዙይ ማለት ከዓ፥ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወለዱ እዮም፥ ደቁ ዝኾኑ እምበር፥ እቶም ብስጋ ዝተወለዱስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ኣይኮኑን። እቲ ቓል ተስፋ “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽመፅእ እየ፤ ሳራ ኸዓ ወዲ ኽትወልድ እያ” ዝብል ነበረሞ። እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ርብቃውን ካብ ሓደ ኣቦና ይስሓቅ ምስ ጠነሰት፥ ካብ ሕርየት እምበር፥ ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፥ እቲ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመስረተ ምእንቲ ኽገሃድ፥ እቶም ህፃናት ገና እንተይተወለዱ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ እንተይገበሩ፥ ንርብቃ “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ክግዛእ እዩ” ዝብል ተነገራ። እዙይ ከዓ “እቲ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፤ ንኤሳው ግና ፀላእኹ” ዝብል ፅሑፍ ስለ ዘሎ እዩ። ኣብ እግዚኣብሄርዶ ዓመፅ ኣሎ እዩ? የለን! ኢልዎ እዩ። ስለዙይ ምሕረት፥ ካብቲ ዝምሕር እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንዝደለየን ንዝጐየየን ኣይኮነን። ንፈርዖን “ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፥ ስመይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር እየ ዘተሳእኹኻ” ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ። እምበኣር፥ ንዝደለዮ ይምሕሮ፤ ንዝደለዮ ድማ የሀልኾ እዩ። እምበኣር “ስለ ምንታይ ክሳዕ ሕዚ ዝነቅፍ? ንፍቓዱኸ ዝቃወም መን እዩ?” ትብል ትኸውን። ኣታ ሰብ፥ ንእግዚኣብሄር እትከራኸሮ፥ ንስኻ መን ኢኻ? ስራሕ፥ ንሰራሒኡ ንምንታይ ከምዙይ ጌርካ ሰራሕኻኒ፥ ክብሎዶ ይኽእል እዩ? ወይ እቲ ሰራሒ መሬት፥ ካብ ሓደ ፀብሪ፥ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ንሓሳር ዝኸውን ኣቕሑ ኽሰርሕ፥ ኣብቲ ፀብሪ ስልጣንዶ የብሉን እዩ? ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት ከምኡውን ዕብየት ጐይትነቱ ኸርኢ እንተ ደለየ፥ ኣቐዲሙ ንኽብሪ ንዘዳለዎም ናይ ምሕረት መልእኽተኛታት ‘ፍቕርተይ’ ክብላ እየ” ይብል እዩ። እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድሕን። ክፍፅሞ እዩ እሞ።” ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ። እስራኤል ግና፥ ነቲ ናብ ፅድቂ ዘብፅሕ ሕጊ እናተኸተሉስ፥ ንሕጊ ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነቲ ፅድቂ ኣይረኸብዎን። ስለ ምንታይ ነቲ ፅድቂ ዘይረኽብዎ? ፅድቆም ብስራሕ እምበር፥ ብእምነት ስለ ዘይኮነ እዩ። ኣብቲ እምኒ መዐንቀፊ ድማ ተዓንቀፉ። ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ” ኸም ዝበሎ እዩ። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ድልየት ልበይን፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ዘቕርቦ ፀሎትን፥ እስራኤል ምእንቲ ኽድሕኑ እዩ። ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቐንኡስ፥ ኣነ እምስክረሎም እየ። ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ፅድቂ ሰኣን ምፍላጦም፥ ፅድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም፥ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣየግዝኡን። ዝኣምን ኵሉ ምእንቲ ኽፀድቕ፥ ክርስቶስ ናይ ሕጊ ፍፃሜ እዩ። እቲ ኻብ እምነት ዝመፅእ ፅድቂ ግና ኸምዙይ ይብል፦ “ብልብኻ፥ [ንክርስቶስ ከውርዶ] ወይ [ንክርስቶስ ካብ ሞት ከተስኦ] እንታይ ደኣ ይብል? “እቲ ቓል” ንሱውን እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት፥ “ኣብ ጥቓኻ፥ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ” ይብል። ስለዙይ ብኣፍካ፥ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን፥ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከም ዘተስኦ እንተ ኣሚንካ፥ ትድሕን። ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይፀድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን እዩ እሞ። እቲ ፅሑፍውን “ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ኣይሓፍርን እዩ” ይብል። ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ኣፈላላይ የለን፤ ንሱ ናይ ኵሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝፅውዕዎ ዅሎም ድማ፥ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ። “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ እሞ።” ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ፥ ከመይ ኢሎም ክፅውዕዎ እዮም? ብዛዕባኡ እንተይሰምዑኸ፥ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኽኣምኑ እዮም? ብዘይ ሰባኺኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ እዮም? ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም? እምበኣር፥ ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ፤ እቲ ምስማዕውን፥ ብቓል እግዚኣብሄር እዩ። ኸም ዝበሎ፥ ብርግፅ ሰሚዖም ኣለዉ። ምስትውዓል ብዘይብሉ ህዝቢ እውን፥ ከቈጥዖም እየ” ይብል። ንዘይጠየቑኒውን ተገለፅኩሎም” ይብል። ብዛዕባ እስራኤል ግና “ነቲ ዘይእዘዝን ተቓዋምን ህዝቢ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጋሕኹ” ይብል። እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሓረዮ ህዝቡ ኣይገደፎን። ብዛዕባ ኤልያስ እተፅሓፈ፥ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ንእስራኤላውያን እንታይ ኢሉ ኸም ዝኸሰሶምዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንነፍሰይ ድማ ይደልዩዋ ኣለዉ” በለ። ከምኡ ኸዓ፥ በዝ ዘመንዙይ፥ ብፀጋ ተሓርዮም ዝተረፉ ኣለዉ። ድንዙዝ መንፈስ ሃቦም።” መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም፤ ሕቘኦም ከዓ ንሓዋሩ ይጕበጥ” ይብል። በደሎም ንዓለም በረኸት ካብ ኮነ፥ ውድቀቶምውን ንኣህዛብ በረኸት ካብ ኮነ፥ ምልኣቶም ደኣ፥ ክንደይ ዝበለፀ ይኾን! እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ካብቶም ጨናፍር ገሊኣቶም እንተ ተሰብሩ እሞ፥ ንስኻ ኣውሊዕ በረኻ እንተለኻ፥ ኣብ ስፍራኦም እንተ ተተኸልካ፥ ካብቲ ሱር ኣውሊዕ ዝወፅእ ማራ፥ ተኻፋሊውን እንተ ዄንካ፥ ኣብቶም ጨናፍር ኣይትተዓበ። እቲ ሱር እዩ ንኣኻ ፆይሩካ ዘሎ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን፥ ነቲ ሱር ፆይርካዮ ዘለኻ፥ ምናልባሽ ንስኻ “ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም፥ እቶም ጨናፍር ዝተሰብሩ” ትብል ትኸውን። ፅቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራሕ ደኣ እምበር፥ ብልብኻ ኣይትተዓበ። እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ፥ ካብ ዘየናሕሰየሎም፥ ንኣኻውን ኣየናሕስየልካን እዩ። እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን፥ ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን፥ ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ፀኒዕኻ እንተ ነበርካ፥ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻውን ክትቍረፅ ኢኻ። ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይፀንዑ ግና፥ ክትከሉ እዮም። እግዚኣብሄር መሊሱ ኽተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ። ንስኻ ኻብቲ ብፍጥረቱ ኣውሊዕ በረኻ ዝተቘረፅካ፥ ኣብዘይ ፍጥረትካ፥ ኣብ ሰናይ ኣውሊዕ ኻብ ተተኸልካስ፥ እቶም ብፍጥረቶም ጨናፍር ኣውሊዕ ዝነበሩ ግዳ፥ ክንደይ ኣብቲ ናይ ባዕልቶም ኣውሊዕ ዘይትከሉ! እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድሕኑ እዮም። እግዚኣብሄር፥ ብውህብቶኡን ፃውዒቱን፥ ኣይናሳሕን እዩ እሞ። ንስኻትኩም ቀደም ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝኩምዎን፤ ሕዚ ግና፥ ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተምሓርኩም። ከምኡውን ንሳቶም፥ በቲ ንስኻትኩም ዝተምሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኽምሓሩ፥ ሕዚ ኣይተኣዘዙን። እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ዝሃቦ እሞ፥ ዝፍደዮ መን እዩ? ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን! እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዝ ዓለም እዙይ ኣይትምሰሉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘለና፥ እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኮነ፥ ከምኡውን ንሕና ብዙሓት እንትንከውን፥ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ድማ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና። ከምቲ ብፀጋ እግዚኣብሄር ዝተቐበልናዮ፥ በበይኑ ዝኾነ ውህብቶ ዘለና፥ ትንቢት እንተ ኾይኑ፥ ብመጠን እምነት ይኹን። ኣገልግሎት እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኣገልግሎቱ ይትጋህ፤ ዝምህርውን፥ ኣብ ምምሃር ይፅናዕ፤ ዝምዕድ፥ ኣብ ምምዓድ ይትጋህ፤ ዝህብ፥ ብልግሲ ይሃብ፤ ዝመርሕ፥ ብትግሃት ይምራሕ፤ ዝርህርህ ኸዓ ብሓጐስ ይራህርህ። ኣብ ንስንሳትኩም፥ ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ። ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝተቓፀልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፤ ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሱ፤ ብፀሎት ፅንዑ። ብዘድልዮም ንቅዱሳን ሓግዙ፤ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ። ንዘሳጕጉኹም መርቑ፤ መርቑ እምበር ኣይትርገሙ። ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ። ንስንሳትኩም ብሓደ ሓሳብ ተስማምዑ፤ ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ደኣ ሕሰቡ እምበር፥ ንሓደኳ ኽፉእ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ብወገንኩም፥ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ፥ ዝከኣለኩም ግበሩ። ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ግና “ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ኣስትዮ። እዙይ ብምግባርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።” ነቲ ኽፉእ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ሰዓሮ እምበር፥ ብኽፉእ ኣይትሰዓር። ስለዙይ፥ ንበዓል ስልጣን ዝቃወም፥ ንስርዓት እግዚኣብሄር እዩ ዝቃወም። እቶም ዝቃወሙ ድማ፥ ንባዕላቶም ቅፅዓት የምፅኡ። ሰብ ስልጣን፥ ስራሑ ኽፉእ ንዝኾነ እምበር፥ ስራሑ ፅቡቕ ንዝኾነ፥ ኣየፍርሑን እዮም። ንሰብ ስልጣን ከይትፈርሕ እንተ ደሊኻ፥ ፅቡቕ ግበር። ንሱ ድማ ኸመስግነካ እዩ። ንሱ፥ እግዚኣብሄር ንሰናይካ ኢሉ ዝሸሞ ኣገልጋሊ እዩ እሞ። ክፉእ እንተ ገበርካ ግና ፍራሕ፤ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቖን እዩሞ። ንሱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ኽፉእ ዝገብር ክቐፅዕ፥ ልኡኽ ቍጥዓ እግዚኣብሄር እዩ። ስለዙይ መቕፃዕቲ ፈሪሕኹም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን፥ ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ። ግብሪ እትኸፍልዎውን ነዙይ እዩ፤ እዞም ሰብ ስልጣናት፥ ኣብዝ ስራሕ እዙይ ዝተዋፈሩ፥ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዮም እሞ። እምበኣር ንዅሉ ኸከምዝግብኦ ግበሩ፤ ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ፥ ፍርሓት ንዝግብኦ ፍርሓት፥ ክብሪ ንዝግብኦ ኽብሪ ሃቡ። ንዅሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃቡ። እንትርፊ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ምስ ሓደኳ ኻልእ ዕዳ ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንብፃዩ ዘፍቅር፥ ንሕጊ ፈፂምዎ እዩ እሞ። እቲ “ኣይትዘሙ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ዘይናትካ ኣይትመነ” ዝብል ካልእ ትእዛዛትውን፥ “ንብፃይካ፥ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብዝብል ትእዛዝ ተጠቓሊሉ እዩ። ፍቕሪ፥ ንብፃዩ ኽፉእ ኣይገብርን፤ እምበኣር ፍቕሪ፥ መፈፀሚ ሕጊ እዩ። ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ። ብጐይላን ስኽራንን፥ ብምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ፥ ከም ብመዓልቲ፥ ብቕንዕና ንንበር። ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፥ ድልየቱ ንኽፍፅም፥ ንስጋኹም ኣይትሕሰቡ። ኵሉ ንምብላዕ ከም ዝተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ፤ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ኣትክልቲ ጥራሕ እዩ ዝበልዕ። እቲ ዝበልዕ፥ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ፤ እቲ ዘይበልዕውን፥ ነቲ ዝበልዕ ኣይንቀፎ፤ እግዚኣብሄር ተቐቢልዎ ንስኻኸ ኣብ ሓሽከር ኻልእ እትፈርድ፥ እንታዋይ ኢኻ? ንሱ እንተ ተስአን እንተ ወደቐን፥ ንጐይታኡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከተስኦ ስለ ዝኽእል ከዓ፥ ክትስእ እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ፥ ካብታ ኻልእ ኣብሊፁ ይሪኣ፤ እቲ ሓደ ግና፥ ንዅላተን መዓልቲታት ማዕረ ገይሩ ይሪአን። እቲ ንሓንቲ መዓልቲ ዘኽብር፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘኽብር። እቲ ዝበልዕ ድማ፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዝበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ እዩ እሞ። እቲ ዘይበልዕውን፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ የመስግኖ እዩ። ካባና፥ ንባዕሉ ኢሉ ዝነብር ወይ ንባዕሉ ኢሉ ዝመውት፥ ሓደኳ የለን። ብህይወት እንተ ነበርና፥ ንጐይታ ኢና እንነብር፤ እንተ ሞትናውን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እንመውት። ስለዙይ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፥ ናይ እግዚኣብሄር ኢና። ስለዙይ ከዓ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታንን ህያዋንን፥ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ እዩ፥ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተስአን። ስለ ምንታይ ደኣ፥ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ? ንምንታይከ፥ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቖ? ኵላትና፥ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ። እምበኣር ኵላትና፥ ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መልሲ ኽንህብ ኢና። ነቲ ኸም ርኹስ ዝሪኦ ደኣ እዩ ርኹስ ዝኾኖ እምበር፥ ብተፈጥሮኡ ርኹስ ነገር ስለዙይ ኣባኻትኩም ዘሎ ሰናይ ነገር እዩ እትብልዎ፥ ካልኦት ከም ዝነቕፍዎ ኣይትግበሩ። መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ። እቲ በዝ ኸምዙይ ንክርስቶስ ዘገልግል፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ፤ ብሰብውን ምስጉን እዩ። ብምኽንያት ምግቢ፥ ንስራሕ እግዚኣብሄር ኣይተፍርሶ። ብርግፅ ዅሉ ንፁህ እዩ፤ ነቲ ብምውልዋል ዝበልዕ ሰብ ግና፥ ክፉእ እዩ። ሓውካ ዝዕንቀፈሉ እንተ ኾይኑ፥ ስጋ ዘይምብላዕ፥ ወይኒ ዘይምስታይ ወይ ካልእ ዘዐንቅፍ ነገር ዘይምግባር ሰናይ እዩ። እቲ ዘለካ እምነት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንባዕልኻ ይኹነልካ። እቲ በቲ ቕኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፥ ንባዕሉ ዘይፈርድ ሰብ፥ ብፁእ እዩ። እቲ እናተጠራጠረ ዝበልዕ ግና፥ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፥ ኵኑን እዩ፤ ብእምነት ዘይግበር ኵሉ፥ ሓጢኣት እዩ እሞ። ነፍሲ ወከፍና፥ ንብፃይና ምእንቲ ኽንሃንፆ፥ ሰናይ ንግበረሉ፤ ነሐጕሶውን። ከምቲ ፅሑፍ “ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻ፥ ኣባይ ወደቐ” ዝብሎ፥ ክርስቶስውን እንተ ኾነ፥ ንባዕሉ ኣየሐጐሰንሞ። በቲ ኻብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝርከብ ትዕግስትን ምፅንናዕን፥ ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፅሓፈ፥ ንትምህርትና እዩ ዝተፅሓፈ። ሓቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም፥ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦ ንዝኾነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተኽብሩ፥ እቲ ናይ ትዕግስትን ምፅንናዕን ኣምላኽ፥ ኣብ ንስንሳትኩም፥ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም፥ ሓደ ሓሳብ ከም እትሓስቡ ይግበርኩም። ስለዙይ ከምቲ ክርስቶስ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝተቐበለኩም፥ ንስንሳትኩም ተቐባበሉ። ክርስቶስ፥ ነቲ ነቦታት ዝተውሃበ ተስፋ ምእንቲ ኸፅንዖ፥ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኸርኢ፥ ኣገልጋሊ ግርዘት ከም ዝኾነ፥ እነግረኩም ኣለኹ። ዝብሎ፥ ኣህዛብ፥ ንእግዚኣብሄር ብምሕረቱ ምእንቲ ኸመስግንዎ እዩ። ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሓጐሱ” ይብል። ኵሎም ህዝብታትውን፥ ይወድስዎ” ይብል። ብእኡ ኸዓ፥ ኣህዛብ ተስፋ ኽገብሩ እዮም” ይብል። በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ ፀጋ፥ ከዘኻኽረኩም ደልየ፥ ብዛዕባ ሓድሓደ ነገራት፥ ብድፍረት ፅሒፈልኩም ኣለኹ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መስዋእቲ ኾይኖም ዝቐረቡ ኣህዛብ፥ ብኣምላኽ ቅቡላት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካህን ወንጌል ኣምላኽ ኮይነ፥ ንኣህዛብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን እዩ። ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘገልግል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እምካሕ ኣለኹ። እንተ ኾነ፤ ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽእዘዙ ኢሉ፥ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዝሰርሖ ዘሎ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኻልእ ኽዛረብ ኣይደፍርን። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን፥ ብዘደንቕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚረ ኽሳዕ እልዋሪቆን፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ሰበኽኩ። ዝብሎ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንፅ፥ ክርስቶስ ኣብ ዘይተፀውዐሉ ዅሉ ስፍራ፥ ወንጌል ክሰብኽ ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ። ሕዚ ግና ኣብዝ ሃገርዙይ ዝነበረኒ ስራሕ ወንጌል ስለ ዝወዳእኹ፥ ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘውን፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ድልየት ስለ ዝነበረኒ፥ ንእስፔይን ክኸይድ እንተለኹ፥ ክሪአኩም በኣኻትኩም ክሓልፍ እየ፤ ንኣኻትኩም ሪአ ምስ ተሓጐስኩ፥ ናብኡ ክኸይድ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ብዘድሊ ኸም እተፋንዉኒ፥ ተስፋ እገብር ኣለኹ። ሕዚ ግና፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳን ምእንቲ ኸገልግል፥ እኸይድ ኣለኹ። እቶም ናይ መቄዶንያን ኣካይያን ቅዱሳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ነቶም ድኻታት ገንዘብ ከዋፅኡሎም ፈትዮም ኣለዉሞ። ግቡኦም ስለ ዝኾነውን፥ ተሰማሚዖም እዮም። እቶም ኣህዛብ፥ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸት ካብ ተኻፈሉ፥ ንሳቶም ድማ፥ በቲ ስጋዊ በረኸት ከገልግልዎም ግቡእ እዩ። እምበኣር ነዙይ ፈፂመ፥ ኣገልግሎተይ ምስ ወዳእኹ፥ ብኣኻትኩም ኣቢለ፥ ንእስፔይን ክኸይድ እየ። ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ ኸዓ፥ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመፅእ፥ እፈልጥ ኣለኹ። ኣሕዋተይ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብፍቕሪ መንፈስ ቅዱስን፥ ምእንታይ ናብ እግዚኣብሄር፥ ብፀሎት ምሳይ ክትጋደሉ እልምነኩም ኣለኹ። እትፅልዩለይ ከዓ፥ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽድሕንን፥ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘወፍዮ ኣገልግሎተይ ድማ፥ በቶም ቅዱሳን ቅቡል ክኸውንን፥ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብሓጐስ ናባኻትኩም መፂአ፥ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኸዕርፍን እዩ። ኣምላኽ ሰላም፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ነታ ንቤተ ክርስቲያን ክንክርኤስ ኣገልጋሊት ዝኾነት ፌቤን ሓፍትና፥ ናባኻትኩም ኣማሕፅና ኣለኹ። ንቕዱሳን ከም ዝግባእ ጌርኩም፥ ብጐይታ ተቐበልዋ፤ ብዘድልያ ዅሉ ኸዓ ደግፍዋ። ንሳቶም ምእንታይ፥ ህይወቶም ንምሕላፍ ዝተዳለዉ ነይሮም እዮም እሞ፥ ስለዙይውን አመስግኖም ኣለኹ፤ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኣብያተ ክርስቲያን ኣህዛብ ኵለን እየን ዘመስግናኦም። ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ንክርስቶስ ብምእማን፥ ኣብ እስያ መጀመርታ ዝኾነ ኤጴኔጦስ ፍቑረይ፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብዙሕ ዝፀዓረትልኩም ማርያም፥ ሰላም በሉለይ። ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ብጐይታ ፍቑረይ ዝኾነ ኣንጵልያጦን፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ብክርስቶስ መሳርሕትና ዝኾነ ኡርባኖስን ንስጣክስ ፍቑረይን፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ፥ ሰላም በሉለይ። ንሄሮድያና ዘመደይ፥ ሰላም በሉለይ። ነቶም ኣብ እንዳ ርቃሱ፥ ብጐይታ ዝኣመኑ፥ ሰላም በሉለይ። ነተን ብጐይታ ዝፅዕራ ዘለዋ ንፕሮፊሞን ንጢሮሞሳን፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝፀዓረት ፍቕርቲ ጰርሲዳ፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ብጐይታ ዝተሓርየ ሩፎንን ንኖኡን፥ ንኣይውን እነይ፥ ሰላም በሉለይ። ንኣስቀሪጦንን ንኣፍለሶንጳ ፍሌጐንን ሄርሜስን ንጰጥሮባንን ሄርማንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን፥ ሰላም በሉለይ። ንፍሌጐንን ንዩልያን ንኔርያን ንሓፍቱን ንኣልንጦንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በሉለይ። ንስንሳትኩም ከዓ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ። ኵለን ናይ ክርስቶስ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣሕዋተይ፥ ክትፍፅምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ፀገማትን ካብ ዘምፅኡ ሰባት ክትጥንቀቑ፥ ካብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ። ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን። ጢሞቴዎስ፥ እቲ መሳርሕተይ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣዝማደይ ሉቂዮስ ኢያሶንን ሱሲ ጳጥሮስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝፀሓፍኩ፥ ኣነ ጠርጥዮስ፥ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣለኹ። እቲ ንኣይ ከም ጋሻ ዝተቐበለ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ኣብ ገዛኡ ኽትእከብ ዝፈቐደ ጋይዮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣርስጦስ፥ እቲ ናይታ ኸተማ ተሓዚ ገንዘብን፥ ቈኣስጥሮስ ሓውናን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን! ኣሜን። ሕዚ ግና፥ እቲ ምስጢር ብመፃሕፍቲ ነቢያት፥ ተግሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ፥ ኵሎም ኣሚኖም ምእንቲ ኽእዘዝዎ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ከም ዝፍለጥ ተገይሩ ኣሎ። ነቲ በይኑ በዓል ጥበብ ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን። ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ፥ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተፀውዑ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። ስለ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተውሃበኩም ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባኹም ዅሉ ጊዜ፥ ንኣምላኸይ ኣመስግን ኣለኹ። ዘመስግኖ ዘለኹ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝመስከርናልኩም፥ ኣባኻትኩም ፀኒዑ ስለ ዝተረኽበ፥ ብዅሉ ቓልን ብዅሉ ፍልጠትን፥ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም እዩ። ስለዙይውን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምፃእ ኣብ እትፅበዩሉ፥ ዝጐድለኩም ውህብቶ ፀጋ የለን። ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ። እቲ ምስ ወዱ፥ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር እሙን እዩ። ኣሕዋተይ፥ ኵልኻትኩም ክትሰማምዑ፥ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ክትሓብሩ እምበር፥ ምፍልላይ ከይህልወኩም ኣሕዋተይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ባእሲ ኸም ዘሎ፥ ሰብ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ። እወ፥ ነፍሲ ወከፍኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ እየ፤ ኣነ ናይ ኬፋ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ እየ” ኸም እትብሉ ነጊሮምኒ ኣለዉ። ክርስቶስዶ፥ ተመቓቒሉ እዩ? ወይ ጳውሎስ ድዩ፥ ምእንታኻትኩም ዝተሰቐለ? ወይ ብስም ጳውሎስ ዲኹም፥ ዝተጠመቕኩም? ካባኻትኩም፥ ብዘይ ንክርስጶስን ንጋይዮስን፥ ንሓደኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ። ስለዙይ ካባኻትኩም ሓደኳ፥ “ብስም ጳውሎስ ተጠሚቐ” ኽብል ኣይኽእልን እዩ። ንስድራ እስጢፋኖስ እባ ኣጥሚቐ ኣለኹ፤ ብዝተረፈ ግና፥ ካልእ ከም ዘጥመቕኩ ኣይፍለጠንን። ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ እምበር፥ ከጥምቕ ኣይለኣኸንንሞ። እንተ ኾነ፥ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝሰብኮ ወንጌል፥ ኣብ ክእለት ዘረባ ዝተመስረተ ኣይነበረን። ናይ መስቀሉ ቓል፥ “ኣነ፥ ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፤ ፍልጠት ፈላጣትውን ከፍርስ እየ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩሞ። ጥበበኛ ደኣ ኣበይ ኣሎ? መምህር ሕጊኸ ኣበይ ኣሎ? ፈላስፋ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ? ኣምላኽዶ፥ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ? ኣይሁድ ምልክት ክሪኡ ይጥይቑ፤ ግሪካውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ እዮም፤ ንሕና ግና፥ ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥ ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ፥ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና። ነቶም ፅዉዓት ግና፥ ኣይሁድ ኮኑ ግሪካውያን፥ ክርስቶስ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ፤ ጥበብ እግዚኣብሄርውን እዩ። ዕሽነት እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ፥ ካብ ጥበብ ሰብ ይበልፅ እዩሞ፤ ድኻም እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ ኸዓ፥ ካብ ሓይሊ ሰብ ይብርትዕ እዩሞ። ኣሕዋተይ፥ እስኪ ኸመይ ከም ዝተፀዋዕኹም ተመልከቱ፤ ብዙሓት ካባኻትኩም በተሓሳስባ ሰብ፥ ፈላጣት ወይ ሓያላት ወይ ብትውልዲ ዝኸበርኩም ኣይነበርኩምን። እግዚኣብሄር፥ ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸሕፍር፥ ናይ ዓለም ዕሽነት ዝኾነ ነገር መረፀ፤ ንሓያላት ምእንቲ ኽሕፍር ከዓ፥ እግዚኣብሄር ናይ ዓለም ድኹም ዝኾነ ነገር መረፀ። እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኽገብር ከዓ፥ ነቲ ብዓለም ሕሱርን፥ ንዑቕን፥ ነቲ ዘይኮነ ነገርን መረፀ። እዙይ ከዓ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ። ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም። ኣሕዋተይ፥ ኣነውን ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ፥ ብኽእለት ዘረባ ወይ ብጥበብ፥ ምስጢር እግዚኣብሄር ክሰብከልኩም ኣይመፃእኹን። ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እንትርፊ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሱውን እቲ ዝተሰቕለ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ ከይፈልጥ ወሲነ ነይረ እየሞ። ኣነ ኸዓ፥ ብድኻምን ብፍርሓትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን እየ፥ ምሳኻትኩም ዝነበርኩ። ቃለይን ስብከተይን፥ ንመንፈስ ቅዱስን ሓይሉን ዝገልፅ እምበር፥ ብዝጥብር ቃል ጥበብ ኣይነበረን። እዙይ ከዓ፥ እምነትኩም፥ ኣብ ሓይሊ እግዚኣብሄር እምበር፥ ኣብ ጥበብ ሰብ፥ ዝተመስረተ ምእንቲ ኸይኸውን እዩ። ኣብ ማእኸል እቶም ለባማት ዝኾኑ ግና፥ ጥበብ ንናገር ኢና፤ እቲ እንናገሮ ግና፥ ጥበብ እዛ ዓለም፥ ወይ ጥበብ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን። ንሕናስ፥ እቲ እግዚኣብሄር ቅድሚ ዘመናት ንኽብርና ዘዳለዎ፥ ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር ንዝኾነ፥ ጥበብ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ሓደኳ ነዝ ጥበብ እዙይ ኣይፈለጦን፤ እንተ ዝፈልጡስ፥ ነቲ ጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈትውዎ ዘዳለወሎም” ይብል። እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ዝፈልጥ የለን። ከምኡውን፥ መንፈስ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኮይኑ፥ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘሎ ሓሳብ፥ ሓደኳ ዝፈልጦ የለን። ንሕና ግና፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ዝሃበና ፀጋ ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ መንፈስ ደኣ ተቐበልና እምበር፥ ናይዝ ዓለም መንፈስ ኣይተቐበልናን። ንሕና ኸዓ፥ መንፈሳዊ ነገር፥ ምስ መንፈሳውያን ሰባት እናሰማማዕና፥ እቲ ስጋዊ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ። ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ግና፥ ንዅሉ ይምርምር፤ ንሱ ግና ብሓደኳ ኣይምርመርን እዩ። ድልዋት ስለ ዘይነበርኩም፥ ዕፁም ብልዒ ዘይኮነስ ፀባ ኣምዓጒኩኹም፤ ሕዚ እውን ድልዋት ኣይኮንኩምን። እዙይ ከዓ፥ ገና ስጋውያን ስለ ዝኾንኩም እዩ፤ ኣብ ማእኸልኩም ቅንእን ባእስን ምህላዉስ፥ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን? ከም ዓለማውያንዶ ኣይኮንኩምን እትመስሉ? ካባኻትኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ኻልእ ከዓ “ኣነ ናይ ኣጵሎስ እየ” ዝብል ኣሎሞ፥ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን? እምበኣርከስ ኣጵሎስ እንታይ እዩ? ጳውሎስከ እንታይ እዩ? ብኣኣቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበፃሕኹም፥ ኣገልገልቲ እዮም፤ እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሃቦም እዮም፥ ዘገልግሉ። ኣነ ተኸልኩ፤ ኣጵሎስ ኣስተየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣዕበየ። እቲ ዘዕቢ እግዚኣብሄር ደኣ እምበር፥ እቲ ዝተኸለ ኾነ፥ እቲ ዘስተየ ዝጠቅም የብሉን። እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን፥ ማዕረ እዮም፤ ኵሎም ከከም ፃዕሮም፥ ዋጋኦም ክረኽቡ እዮም። ንሕና ምስ እግዚኣብሄር እንሰርሕ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና፥ ግራት እግዚኣብሄርን፥ ህንፃ እግዚኣብሄርን ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ብዝሃበኒ ፀጋ፥ ከም ፈላጢ ሓናፂ ኾይነ፥ መሰረት ሰረትኩ፤ ሓደ ኻልእ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንፅ ኣሎ፤ ነፍሲ ወከፍ፥ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሃንፅ ይጠንቀቕ። ምኽንያቱ፥ ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፥ ንሱ ኸዓ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ካልእ መሰረት ክስርት ዝኽእል፥ ሓደኳ የለንሞ። ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ፥ ብወርቂ፥ ብብሩር፥ ብኽቡር እምኒ፥ ብዕንፀይቲ፥ ብሳዕሪ ወይ ብሓሰር እንተ ሰርሐ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ፥ ክገሃድ እዩ፤ እታ መዓልቲ፥ ብሓዊ ኽትግለፅ ስለ ዝኾነት ክትቀልዖ እያ፤ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ከም ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ። እቲ ኣብ መሰረት ሃኒፁ፥ ስራሑ ዝፀንዐሉ ሰብ፥ ዓስቡ ኽቕበል እዩ። ስራሑ ዝተቓፀሎ ሰብ ግና፥ ዓስቡ ኽስእን እዩ፤ እንተ ኾነ ንሱ ኽድሕን እዩ፤ ግና ኸምቲ ብሓዊ ሓሊፉ ዝድሕን ሰብ እዩ ዝድሕን። ዝኾነ ሰብ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ እንተ ኣፍረሰ፥ ንእኡ ድማ እግዚኣብሄር ከፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ቅዱስ እዩ፤ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ሓደኳ ንባዕሉ ኣየታልል፤ ካባኻትኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውን ዓሻ ይኹን። “ነቶም ጥበበኛታት፥ ብጕርሖም ይሕዞም” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዕሽነት እዩ እሞ። ከምኡውን “ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ኸም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ” ዝብል፥ ተፅሒፉ ኣሎ። እምበኣርከስ ኵሉ ናታትኩም እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ጳውሎስ ኮነ ኣጵሎስ፥ ኬፋ ኾነ ዓለም፥ ህይወት ኮነ ሞት፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ፥ ኵሉ ናታትኩም እዩ። ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፤ ክርስቶስ ከዓ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ርእሲዙይ ከዓ፥ ኵሎም መገብቲ፥ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይግብኦም። ኣነ እኳ፥ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ፥ ግዲ የብለይን፤ ንባዕለይ እኳ ኣይፈርድን እየ። ኣብ ልዕለይ ምንም ኣይፈልጥን እየሞ፤ በዙይ ግና፥ ንፁህ እየ ማለት ኣይኮነን። ጐይታ ጥራሕ እዩ ንኣይ ዝፈርደኒ። ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ ካብ ካልኦት ብሉፅ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ? ድሮ ኸዓ ፀገብኩም፤ ሃብተምኩምውን፤ ብዘይ ብኣና ድማ ነገስኩም፤ ንሕናውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስስ፥ ኣበይሞ ኸም ነገስኩም! ኣነ ግና፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሃዋርያት፥ ከምቶም ንሞት ዝተፈርዱ፥ ድሕሪ ዅሎም ዝገበረና ይመስለኒ። ስለዙይ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን፥ መሳለቒ ዄንና ኣለና። ንሕና፥ ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፤ ንሕና ድኹማት፥ ንስኻትኩም ግና፥ ሓያላት ኢኹም፤ ንስኻትኩም ክቡራት፥ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንፀምእን ንዓርቕን ንውቃዕን ኣለና፤ መሕደሪውን የብልናን። በእዳውና እናሰራሕና ንደክም ኣለና። ንዝፀርፉና ንምርቕ፥ ንዘሳጕጉና ንዕገስ፥ ስምና ንዘኽፍኡ፥ ብጥዑም ቃል ንምልስ ኣለና። ክሳዕ ሕዚ ኸም ናይ ዓለም ጐሓፍን፥ ከም ናይ ዅሉ ነገር ጐድፍን ኴንና ኣለና። እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ከም ተፈተውቲ ደቀይ ክምዕደኩም እምበር፥ ከሕፍረኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ሺሕ እኳ ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እንተ ሃለዉኹም፥ ብዙሓት ኣቦታት የብልኩምን። ወንጌል ብምብሳር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝወለድኩኹም ኣነ እየሞ። ስለዙይ ንኣይ ምሰሉ እናበልኩ እልምነኩም ኣለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ መንገደይ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፥ ነቲ ፍቑር ወደይን ብጐይታ እሙንን፥ ጢሞቴዎስ፥ ሰዲደልኩም ኣለኹ። ገሊኣቶም ግና፥ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመፅእ መሲልዎም፥ ብትዕቢት ዝተመልኡ ኣለዉ። እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱስ፥ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ፤ ሽዑ እቶም ዕቡያት ዝዛረብዎ ዘይኮነስ ሓይሎም ክርኢ እየ። መንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓይሊ እምበር፥ ብቓል ኣይኮነትንሞ። እንታይ ትደልዩ? ብበትሪዶ ወይ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመፀኩም? ተዓቢኹም ኣለኹም፤ ክትጕህዩዶ ግዳ ኣይምተገብአኩምን? ነቲ ኸምዙይ ዝበለ ርኹስ ግብሪ ዝገበረ እንዶ ግዳ፥ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። ኣነ ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘይሃለኹ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ። ምሳኻትኩም ከም ዘለኹ ኾይነ ኸዓ፥ ነቲ ኸምዙይ ዝመሰለ ርኽሰት ዝፈፀመ ሰብ፥ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ድሮ ፈሪደዮ ኣለኹ። ንስኻትኩም ምስ ተኣከብኩም፥ ኣነውን ብሓይሊ ጐይታ ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም ኮይነ፥ ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ። እዙይ እትገብሩ፥ ብስጋኡ ተቐፂዑ፥ ብመዓልቲ ጐይታ፥ ነፍሱ ምእንቲ ኽትድሕን እዩ። ከምቲ ሕዚ ዘለኹምዎ፥ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሒቊ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። በጊዕ ፋሲካና፥ ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ እሞ። ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር። ግና ምስቶም ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘማውያንን፥ ወይ ስሱዓትን ከተርትን፥ ወይ መምለኽቲ ጣዖትን ማለተይ ኣይኮነን፤ እንተ ዘይኮነስ፥ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወፁ ምተገብአኩም ነይሩ። ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ኣመንቲ ኢና ኻብ ዝብሉ ግና፥ ዘመውቲ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ሰኸርቲ፥ ወይ ከተርቲ ምስ ዝኾኑ ሰባት ከይትሕወሱ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባትውን፥ ከቶ ኸይትበልዑ ኢለ እየ እምበር፤ ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ንዘለዉ ዝፈርድ እንታይ ኣእትዩኒ? ንስኻትኩም፥ ነቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትና ዘለዉዶ ኣይኮንኩምን ክትፈርዱ ዘለኩም? ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ዘለዉ ግና፥ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝፈርዶም። እምበኣር ነቲ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቅዎ። ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብፃዩ ኽርክር እንተ ሃልይዎ፥ ጉዳዩ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳን ክንዲ ምቕራብ፥ ከመይ ደፊሩ ኣብ ቅድሚ ዘይኣምኑ፥ ንምፍራድ ይቐርብ? ወይ ከዓ ቅዱሳን፥ ንዓለም ከም ዝፈርዱዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንዓለም እትፈርዱ ኻብ ኮንኩም ደኣ፥ ነዝ ኣናእሽተይ ነገራት ንምፍራድ ከመይ ዘይትበቕዑ? ንመላእኽቲ ኸም እንፈርድዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገር ግዳ፥ ከመይ ዘይንፈርድ? እሞኸ ደኣ፥ ብነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዝዳነ እንተ ሃልዩኩም፥ ስለ ምንታይ ነቶም ብቤተ ክርስቲያን ዝተንዓቑ ሰባት፥ ፈረድቲ ትገብሩዎም? ከሕፍረኩም ኢለ እየ ነዙይ ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኽዓርቕ ዝኽእል፥ ለባም ሰብዶ የብልኩምን? እኳ ደኣ፥ ሓው ንሓዉ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ ይኸስስ ኣሎ! መሕልፎ ንስኻትኩም ነሕዋትኩም እንተይተረፈ፥ ትብድሉን ትገፍዑን ኣለኹም። ዓመፅቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ፥ ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም። ገሊኻትኩም ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም። ብልዒ ንኸብዲ፥ ከብዲ ኸዓ ንብልዒ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ነዙይን ነቱይን ከጥፍኦም እዩ። ሰብነት ንእግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄርውን ንሰብነት እዩ እምበር፥ ሰብነት ንምንዝርና ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምቲ ንጐይታና ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ንኣናውን ብሓይሉ ኸተስአና እዩ። እቲ ሰብነትኩም፥ ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እሞኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ፥ ኣካል ኣመንዝራዶ ኽገብሮ መፅሓፍ “ክልቲኦም ሓደ ኣካል ክኾኑ እዮም” ከም ዝብል፥ ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ፥ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዝኸውንዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እቲ ምስ ጐይታ ሓደ ዝኸውን ግና፥ ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። ካብ ዝሙት ረሓቑ፤ ሰብ ዝገብሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ ካብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዝገብሮ፤ ዝምንዝር ግና፥ ኣብ ናይ ባዕሉ ሰብነት እዩ ዝብድል። ሰብነትኩም፥ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን። ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ። ብዛዕባ እቲ ዝፀሓፍኩምለይ ነገር ድማ፥ ሰብኣይ ናብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ይሐይሽ። ግና ኻብ ዝሙት ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ናይ ባዕሉ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ እውን፥ ናይ ባዕላ ሰብኣይ ይሃልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ፥ ዝግብኣ ይግበረላ፤ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ዝግብኦ ትግበረሉ። ሰበይቲ ኣብ ሰብነታ ስልጣን የብላን፤ ስልጣን ንሰብኣያ እዩ እምበር፤ ከምኡውን ሰብኣይ ኣብ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን፤ ስልጣን ንሰበይቱ እዩ እምበር። ንፀሎት ክትተግሁ፥ ብዝተሰማማዕኹምሉ ጊዜ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትፈላለዩ። ንሰብነትኩም ምቍፅፃር ብዘይምኽኣልኩም፥ ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም፥ ብሓደ ኹኑ። እዙይ ግና ኸም ምኽሪ እምበር፥ ከም ትእዛዝ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ኵሉ ሰብ ከምዝ ኸማይ ክኸውን ምፈተኹ ነይረ፤ ግና ነፍሲ ወከፍ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበሎ፥ ናይ ፀጋ ውህብቶ ስለ ዘለዎ፥ እቲ ሓደ ኸምዙይ፥ እቲ ሓደውን ከምቱይ፥ ውህብቶ ኣለዎ። ንዘይተመርዐዉን ንመበለታትን ግና፥ ከምዝ ኸማይ ኮይኖም እንተ ነበሩ ይሐሾም እብል ኣለኹ። ንሰብነቶም ክቈፃፀሩ እንተ ዘይኽኢሎም ግና ይመርዐዉ፤ ብፍትወት ካብ ምቅፃል፥ ምምርዓው ይሐይሽ እዩ እሞ። ነቶም ዝተመርዓዉ ድማ፥ ብናይ ባዕለይ ዘይኮነስ፥ ብናይ ጐይታ ትእዛዝ፥ እእዝዞም ኣለኹ፤ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈላለ። እንተ ተፈላልያ ግና፥ እንተየእተወት ትንበር፤ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ። ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ። ነቶም ዝተረፉ ድማ፥ ብጐይታ ዘይኮነስ፥ ኣነ ባዕለይ ከምዙይ እብሎም ኣለኹ፤ ሓደ ኣማኒ፥ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እንተ ሃሊያቶ፥ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፥ ኣይፍትሓያ። ሰበይቲ እውን ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ እንተ ሃልይዋ፥ ንሱ ኸዓ ምስኣ ኽነብር እንተ ፈተወ፥ ኣይትፍትሓዮ። እቲ ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ፥ ምእንቲ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፤ እታ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እውን፥ ምእንቲ ኣማኒ ሰብኣያ ተቐዲሳ እያ እሞ፤ ከምኡ እንተ ዘይኸውን፥ ደቆም ርኹሳት ምኾኑ ነይሮም፤ ሕዚ ግና ተቐዲሶም እዮም። እቲ ኣማኒ ዘይኮነ፥ ክፍለ እንተ ደለየ ግና ይፈለ። ኣብ ከምዙይ ዝመሰለ እቲ ሓው ወይ እታ ሓፍቲ ኣይግደዱን። እግዚኣብሄር ብሰላም ክንነብር እዩ ዝፀውዐናሞ። ኣቲ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ እንታይ ትፈልጢ? ኣታ ሰብኣይውን፥ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ እንታይ ትፈልጥ? ብዝተረፈ ነፍሲ ወከፍ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፥ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ ኾይኑ ይንበር። ንዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን፥ ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘለኹ። ሓደ ኣማኒ ኻባኻትኩም፥ ግሩዝ እናሃለወ ዝተፀውዐ እንተ ሃልዩ ድማ፥ ዘይምግራዝ ኣይመነ። ዘይግሩዝ እናሃለወ ዝተፀውዐ እንተ ሃልዩ፥ ክግረዝ ኣይድለ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ፥ ከምታ እግዚኣብሄር ክፅውዖ እንተሎ ዝነበራ ይንበር። ባርያ እንተለኻ ዲኻ ዝተፀዋዕኻ? በዙይ ኣይትሕሰብ፤ ሓራ ኽትወፅእ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና፥ ሓርነትካ ርኸብ። እቲ ባርያ እንተሎ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ፥ ናይ ጐይታ ውፁእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ እንተሎ ዝተፀውዐ፥ ባርያ ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ ብዋጋ ዓዲጉኩም እዩ እሞ፥ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። ኣሕዋትና፥ ነፍሲ ወከፍ በቲ ዝተፀውዖ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምኡ ይንበር። ብዛዕባ ደናግል ግና፥ እሙን ክኸውን ከም ሓደ ኻብ ጐይታ ምሕረት ዝተቐበለ ሰብ ኮይነ፥ ምኽረይ እነግረኩም ኣለኹ እምበር፥ ካብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ ትእዛዝ ኣይኮነን። እምበኣር ብምኽንያት እቲ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ጭንቂ፥ ሰብ ከምታ ዘለዋ ኾይኑ ኽነብር ፅቡቕ መሲሉ ይረአየኒ። ተመርዒኻ እንተ ዄንካ፥ ክትፋታሕ ኣይትድለ። ዘይተመርዖኻ እንተ ዄንካ፥ ምምርዓው ኣይትድለ። ግና እንተ ተመርዖኻ፥ ሓጢኣት ኣይገበርካን፤ ድንግልውን እንተ ተመርዐወት፥ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና፥ ብናብራ፥ ፀገማት ይረኽቦም እዩ እሞ፥ ካብዙይ ክትድሕኑ ኢለ እየ። ኣሕዋተይ፥ እቲ ዝብለኩም ዘለኹ እዙይ እዩ፤ እቲ ዘመን ሓፂር እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ከም ዘይብሎም ይንበሩ። እቶም ዝሓዝኑ ኸም ዘይሓዝኑ፥ እቶም ዝሕጐሱ ኸም ዘይሕጐሱ፥ እቶም ዝዕድጉ ኸም ዘየጥረዩ፥ እቶም ብናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ፥ ብእኡ ኸም ዘይጥቀሙ ኣነ ግና ብዘይ ሓሳብ ክትነብሩ ድልየተይ እዩ፤ እቲ ዘይተመርዐወ፥ ከመይ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕሶ፥ ብዛዕባ ጐይታ እዩ ዝሓስብ። እቲ ዝተመርዐወ ግና፥ ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘሐጕሳ፥ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዝሓስብ፤ በዝ ዅነታት እዙይ፥ ሓሳቡ ዝተኸፋፈለ ይኸውን። እታ መበለት ሰበይቲ ወይ ዘይተመርዐወት ድንግል ድማ፥ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኽቕደስ፥ ብዛዕባ እግዚኣብሄር እያ እትሓስብ። እታ ዝተመርዐወት ግና፥ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጕሶ፥ ብዛዕባ ናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሓስብ። እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ልብኹም እንተይተኸፍለ፥ ንእግዚኣብሄር ብግቡእ ምእንቲ ኽተገልግሉ፥ ንረብሓኹም ኢለ እየ እምበር፥ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ግና ምእታው ኣብ ዝግብኦ ዕድመ ምስ በፅሐ፥ ስለ ድንግልናኡ ዝሓፍር ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ዝደለዮ ይግበር፤ ሓጢኣት የብሉን ይመርዖ። እንተይተሃወኸ ብልቡ ዝፀንዐ ግና ኣይግደድን፤ ዝደለዮ ኽገብር ተፈቒድሉ እዩ፤ ድንግልናኡውን ብልቡ ሓልዩ እንተ ፀኒዑ፥ ሰናይ ገበረ። ስለዙይ ነታ ድንግል ዝተመርዐወ ሰናይ ገበረ፤ ዘይተመርዐወውን ዝበለፀ ገበረ። ከም ሓሳበይ ግና፥ ከምቲ ዘላቶ ኾይና እንተ እትነብር፥ ዝበለፀ ምተሓጐሰት፤ ኣነውን መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባይ ዘለኒ ይመስለኒ። ዝኾነ ሰብ ዝፈልጥ እንተ መሰሎ፥ ነቲ ዝፈልጦ፥ ከምቲ ዝግብኦ ገይሩ ገና ኣይፈለጦን። ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር ግና፥ ንሱ ብእግዚኣብሄር ፍሉጥ እዩ። ብዙሓት ኣማልኽትን፥ ብዙሓት ጐይቶትን፥ ተብሂሎም ዝፅውዑ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣለዉ እንተ ተብሃለኳ፥ ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና። ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣየቕርበናን፤ እንተ በላዕና፥ ዝውስኸልና የብሉን፤ እንተ ዘይበላዕናውን፥ ዘጕድለልና የብሉን። ግናኸ እቲ ሓርነትኩም፥ ነቶም ብእምነቶም ዘይጠንከሩ መዐንቀፊ ኸይኾኖም ተጠንቀቑ። ሓደ ሰብ፥ ፍልጠት ንዘለካ ንኣኻ፥ ኣብ ቤት ጣዖት ተቐሚጥካ እንተ ረአየካ፥ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ንምብላዕዶ ኣይምደፈረን? ስለዙይ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሓው፥ ብሰንኪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። እምበኣር ከምዙይ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፥ ነቲ ድኹም ሕሊናኦም እናቝሰልኩም፥ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም። እምበኣር ምግቢ ንሓወይ ዘዐንቅፎ እንተ ኾይኑስ፥ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፥ ንሓዋሩ ፈፂመ ስጋ ኣይበልዕን እየ። ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኮንኩ፥ ንኣኻትኩምስ ሃዋርያኹም እየ፤ ማሕተም ሃዋርያነተይ፥ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹምሞ። ነቶም ዝነቕፉኒ መልሰይ እዙይ እዩ፦ ክንበልዕን ክንሰትንዶ፥ መሰል የብልናን ኢና? ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን፥ ኣሕዋት ጐይታናን፥ ኬፋን ዝገብርዎ፥ ብእምነት ሓፍትና ዝኾነት ሰበይቲ ምሳና ኽንወስድዶ፥ መሰል የብልናን ኢና? ወይ ከዓ ኣነን በርናባስን ጥራሕ ዲና፥ ብኢድና ፅዒርና ኽንበልዕ ዝግብአና? እንታዋይ ወታደር እዩ፥ ብገንዘቡ እናተመገበ ዘገልግል? ወይኒ ተኺሉ፥ ፍረኡ ዘይበልዕኸ መን እዩ? ወይ እናጓሰየ፥ ካብተን ዝጓስየን መጓሰ፥ ፀባ ዘይሰቲ መን እዩ? ከም ኣተሓሳስባ ሰብ ጥራሕ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ? ሕጊ ሙሴስ ከምኡ ይብልዶ ኣይኮነን? ኣብ ሕጊ ሙሴ “ኣፍ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ዝብል፥ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣብዑር ድዩ ዝግደስ ዘሎ? ብሱሩኸ ምእንታናዶ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ? እቲ ዝሓርስ፥ ምእንቲ ብተስፋ ኽሓርስ፥ እቲ ዘኽይድውን፥ ምእንቲ ብተስፋ ከኽይድ፥ ገግደኦም ክረኽቡ ዝግብኦም ስለ ዝኾነ፥ ምእንታና እዩ ዝተፅሓፈ። ንሕና ነቲ መንፈሳዊ ነገር ካብ ዘራእናልኩምከ፥ ናይ ስጋዊ በረኸትኩም እንተ ዓፀድናስ፥ ዓብዪ ነገር ድዩ? እቶም ካልኦት፥ ምሳኻትኩም ክማቐሉ መሰል ካብ ሃለዎም፥ ንሕና ግዳ፥ ክንደይ ካብኡ ዝዓበየ መሰል ዘይህልወና? ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ ከይነዐንቅፍ፥ ንዅሉ ንፀውር ኣለና እምበር፥ ነዝ መሰል እዙይ ኣይተጠቐምናሉን። ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ፥ ካብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝምገቡ፥ እቶም ኣብ መሰውኢ ዘገልግሉ ድማ፥ ካብቲ መስዋእቲ ኸም ዝካፈሉ፥ ኣይትፈልጡን ዲኹም? ከምኡ ድማ፥ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩ፥ ካብ ወንጌል ክናበሩ ሰሪዑሎም ኣሎ። ኣነ ግና፥ ካብዞም መሰላት እዚኣቶም ብሓደኳ ኣይተጠቐምኩን፤ ከምኡ ምእንቲ ክኾነለይ ኢለውን ኣይኮንኩን፥ እዙይ ዝፅሕፍ ዘለኹ። ሓደ ሰብ ነዝ ትምክሕተይ ከንቱ ኻብ ዝገብሮስ፥ ሞት ይሕሸኒ። ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፥ ዝምክሐሉ የብለይን፤ ክሰብኽ ግዴታይ እዩ እሞ፥ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። ነዙይ ፈትየ እንተ ገበርክዎ፥ ዓስቢ ኣለኒ፤ እንተይፈተኹ እንተ ገበርክዎ ግና፥ ብሕድሪ ስለ ዝተውሃበኒ እዩ። ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ? ወንጌል ክሰብኽ እንተለኹ፥ ነቲ ወንጌል ብምስባኽ ዝግብአኒ መሰል እንተይወሰድኩ፥ ክሰብኽ እንተለኹ እዩ። ነቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኸድሕን፥ ንኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ኾንኩ፤ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኸድሕን ከዓ፥ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኮንኩ እንተለኹ፥ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፥ ትሕቲ ሕጊ ኸም ዘሎ ኾንኩ። ነቶም ሕጊ ዘይብሎም ምእንቲ ኸድሕን፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ዘለንን፥ ብሕጊ ክርስቶስ ዝነብርን እኳ እንተ ሃለኹ፥ ምስቶም ሕጊ ዘይብሎም፥ ሕጊ ኸም ዘይብሉ ኾንኩ። ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኸድሕን ድማ፥ ምስቶም ድኹማት፥ ድኹም ኮንኩ፤ ብዅሉ መንገዲ ንገሊኣቶም ምእንቲ ኸድሕን፥ ምስ ዅሉ ብዅሉ ነገር ከምኣቶም ኮንኩ። እዙይ ግና፥ ካብ በረኸቱ ኽካፈል፥ ምእንቲ ወንጌል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ። እቲ ዅሉ ዝቃለስ፥ ብዅሉ ንባዕሉ መሊኹ እዩ ዝነብር። እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኽቕበሉ ይፅዕሩ፤ ንሕና ግና፥ ነቲ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክንቅበል ኢልና ኢና እንፅዕር። ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ግና ኸምቲ ዕላማ ዘይብሉ ኣይኮንኩን። እቃለስ፥ ምስ ንፋስ ከም ዝቃለስ ግና ኣይኮንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ፥ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን፥ ንሰብነተይ እቐፅዖን ኣግዝኦን ኣለኹ። ኵላቶም ድማ፥ ምስ ሙሴ ኽሓብሩ ብደመናን ብባሕርን ተጠመቑ። ኵላቶም ከዓ፥ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ። ኵላቶምውን፥ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኰዅሒ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ እቲ ኰዅሒ እቱይ ከዓ፥ ክርስቶስ እዩ። እንተ ኾነ፥ ብመብዛሕቶም እግዚኣብሄር ኣይተሓጐሰን። ስለዙይ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ተሪፎም እዮምሞ። “እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ፤ ክፃወትውን ተስአ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ከምቶም ገሊኣቶም፥ መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ። ከምቲ ገሊኣቶም ዘመንዘሩ እሞ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ከምቲ ገሊኣቶም ንጐይታ ዝተፈታተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፥ ንጐይታ ኣይንፈታተን። ከምኡውን ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕረምረሙ እሞ፥ በቲ ዘጥፍእ ከም ዝጠፍኡ፥ ኣይነዕረምርም። እዝ ዅሉ ምሳሌ ክኸውን እዩ ዝበፅሖም፤ ንኣና፥ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፥ ንተግሳፅ ክኾነና እዩ ዝተፅሓፈ። ስለዙይ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፥ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ። መስተውዐልቲ ኸም ምዃንኩም መጠን እየ፥ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ነዝ ዝብሎ ዘለኹ፥ ባዕልኻትኩም ፍረድዎ። እቲ ንሕና እንባርኾ ናይ በረኸት ፅዋዕ፥ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት፥ ዘለዎዶ ኣይኮነን? እቲ እንቘርሶ ሕብስትኸ፥ ምስ ስጋ ክርስቶስ፥ ሕብረት ዘለዎዶ ኣይኮነን? ኵላትና ኻብ ሓደ ሕብስቲ ንቕበል ኣለና እሞ፥ እቲ ሕብስቲ ሓደ ኸም ዝኾነ፥ ከምኡ ንሕናውን ብዙሓት እንተለና፥ ሓደ ኣካል ኢና። እስኪ ብስጋ ንዝኮነ እስራኤል ረአዩ፤ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝበልዑ፥ ምስቲ መሰውኢ፥ ሕብረትዶ የብሎምን እዮም? እሞኸ እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ዝጠቕሞ ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ? ወይ ከዓ ጣዖት ዝጠቅም ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ? ኣይኮነን፤ እቲ ኣህዛብ ዝስውእዎ፥ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣይኮነን። ንስኻትኩም፥ ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ክህልወኩም ኣይደልን። ፅዋዕ እግዚኣብሄርን፥ ፅዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ፥ ካብ ማእዲ እግዚኣብሄርን፥ ማእዲ ኣጋንንትን ክትሳተፉ ኣይትኽእሉን። እምበኣርከ ንእግዚኣብሄርዶ ኽነቕንኦ? ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና? ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብፃዩ ደኣ እምበር፥ ሓደኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። ብሕሊና እንተይመርመርኩም፥ ኵሉ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ብልዑ። ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን፥ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ። ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ዓደመኩም እሞ፥ ክትከዱ እንተ ደለኹም፥ ዝጠራጠር ሕሊና ኣይሃልኹም፤ ኵሉ ዝተቐረበልኩም፥ እንተይመርመርኩም ብልዑ። ሓደ ሰብ “እዙይስ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ” እንተበለኩም ግና፥ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን፥ ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም፥ ኣይትብልዑ። ሕሊና ኽብል እንተለኹ ግና፥ ናይ ብፃይካ እምበር፥ ናትካ ማለተይ ኣይኮነን። ንስኻ “ስለ ምንታይከ፥ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዝፍረድ? ኣነ ኣመስጊነ ዝበልዕ ኻብ ኮንኩ፥ ስለ ምንታይ ደኣ፥ በቲ ዘመስግነሉ ዝንቀፍ?” ትብል ትኸውን። እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ። ከምቲ ኣነ ንዅሉ ሰብ፥ ብዅሉ ነገር ዘሐጕስ ዘለኹ፥ ንስኻትኩም ድማ ንኣይሁድ ኮነ ንግሪካውያን ወይ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መዐንቀፍቲ ኣይትኹኑ። ኣነ ምእንቲ ኽድሕኑስ፥ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፥ ጥቕመይ ኣይደለኹንሞ። ብዅሉ ስለ እትዝክሩንን፥ ነቲ ኻባይ ዝተቐበልኩምዎ ስርዓትውን፥ ኣፅኒዕኹም ስለ ዝሓዝኩምዎን፥ እንእደኩም ኣለኹ። ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፥ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ፥ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። እቲ ኽፅሊ እንተሎ ወይ ክንበ እንተሎ፥ ርእሱ ዝጕልበብ ሰብኣይ፥ ንርእሱ የዋርድ። እታ ኽትፅሊ እንተላ ወይ ክትንበ እንተላ፥ ርእሳ ዘይትጕልበብ ሰበይቲ ድማ፥ ከምታ ልፅይቲ ርእሲ እያ እሞ፥ ነቲ ርእሳ ዝኾነ ሰብኣይ ተዋርዶ። ሰበይቲ ዘይትጕልበብ እንተ ኾይና ግና፥ ፀጕራ ትላፀ ወይ ትቈረፅ። ንሰበይቲ፥ ምቝራፅ ወይ ምልፃይ ፀጕራ ዘነውራ እንተ ኾይኑ ትጐልበብ። ሰብኣይ፥ ምስሊ እግዚኣብሄርን ክብሩን ዝገልፅ ስለ ዝኾነ፥ ክጕልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና፥ ክብሪ ሰብኣይ እያ እትገልፅ። ሰበይቲ እያ ኻብ ሰብኣይ ዝተረኽበት እምበር፥ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይተረኽበንሞ። ከምኡውን፥ ሰበይቲ እያ ምእንቲ ሰብኣይ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብኣይ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። በዝ ምኽንያት እዙይን፥ ምእንቲ እቶም መላእኽትን፥ ብጐይታ ዘለና ህይወት ግና፥ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፥ ሰብኣይ ድማ ብዘይ ሰበይቲ፥ ከቶ ኣይኸውንን እዩ። ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝኾነት፥ ከምኡውን ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ። እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ፤ ሰበይቲ ርእሳ እንተይተጐልበበት፥ ናብ እግዚኣብሄር ክትፅሊዶ ይግባእ እዩ? ወይ ከዓ ሰብኣይ ፀጕሩ እንተ ኣንውሐ፥ ነውሪ ምዃኑስ እቲ ተፈጥሮ ባዕሉዶ፥ ኣይምህረኩምን እዩ? ሰበይቲ ፀጕራ እንተ ኣንውሐት ግና፥ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፥ ንእኣ ኽብረታ እዩ። ዝኾነ ሰብ፥ ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ ክከራኸር እንተ ደልዩ፥ ንሕናን እተን ናይ እግዚኣብሄር ኣብያተ ክርስቲያንን፥ ከምዙይ ዝበለ ልማድ የብልናን። ክትእከቡ እንተለኹም እትገብርዎ፥ ክንዲ ንፅቡቕ ንሕማቕ ስለ ዝኾነ፥ በዝ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዝ፥ ኣይንእደኩምን እየ። ቅድሚ ዅሉ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክትእከቡ እንተለኹም፥ ኣብ ማእኸልኩም፥ ምፍልላይ ከም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹሞ። ገሊኡ ኸዓ እኣምኖ እየ። እቶም ቅኑዓት ምእንቲ ኽገሃዱስ፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ክኸውን ግድን እዩ። እቲ ብሓደ ምእካብኩም፥ ማእዲ ጐይታ ንምብላዕ ኣይኮነን። ክትበልዑ እንተለኹም፥ ነፍሲ ወከፍ ተቐዳዲሙ ደድራሩ ይበልዕ እዩ እሞ፤ እቲ ሓደ እንትጠሚ፥ እቲ ሓደ ይሰክር። እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ፥ የብልኩምን ኢኹም? ነቶም ዘይብሎም እተሕፍርዎም ዘለኹምስ፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ንዒቕኩም ዲኹም? እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ? ወይ እንታይ እሞ ኽብል? በዙይዶ ኽንእደኩም እየ? ከቶ ኣይንእደኩምን። ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትዩሉ ጊዜ ዅሉ፥ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኣብ እትበልዕዎ፥ ነዝ ፅዋዕ እዙይውን ኣብ እትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ፥ ክሳዕ ጐይታ ዝመፅእ፥ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ። እምበኣር ሰብ ካብዝ ሕብስቲ እዙይ ቅድሚ ምብላዑን፥ ካብዝ ፅዋዕ እዙይ ቅድሚ ምስታዩን ንባዕሉ ይመርምር። እንተይተገብኦ ዝበልዕን ዝሰትን፥ ናይ ጐይታ ስጋ ስለ ዘይፈለጠ፥ ኣብ ባዕሉ ፍርዲ እዩ ዘምፅእ። በዝ ምኽንያት እዙይ እዮም፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፤ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። ንባዕልትና ብትኽክል እንተ እንፈርድስ፥ ኣይምተፈረደናን ነይሩ። ግና እንተ ተፈረደና፥ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዅነን ኢሉ እዩ፥ ጐይታ ዝግስፀና። ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንማእዲ ጐይታ ኽትእከቡ እንተለኹም፥ ንስንሳትኩም ደኣ ተፀባበዩ። ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝጠመየ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ገዛኡ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፥ ምስ መፃእኹ ኽሰርዐልኩም እየ። ኣረማውያን ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ተታሊልኩም ናብቶም በሃማት ኣማልኽቲ ትምርሑ ኸም ዝነበርኩም፥ ትፈልጡ ኢኹም። ስለዙይ ከምቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝዛረብ “ኢየሱስ ርጉም እዩ” ኽብል ዘይኽእል፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ድማ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኽብል ዝኽእል፥ ሓደኳ ኸም ዘየለ አፍልጠኩም ኣለኹ። ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣሎ፤ ጐይታ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ። ዝተፈላለየ ተግባር ኣሎ፤ እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ። ግናኸ ምግላፅ መንፈስ ቅዱስ፥ ንጥቕሚ ብዙሓት፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይወሃቦ እዩ። ንሓደ ብመንፈስ፥ ቃል ጥበብ ይወሃቦ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ፥ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ቃል ፍልጠት ይወሃቦ። ንሓደ በቲ ሓደ መንፈስ፥ እምነት፤ ንሓደ ድማ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ይወሃቦ። ንሓደ ተኣምራት ምግባር፥ ነቲ ሓደ ድማ ትንቢት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደውን መናፍስቲ ምልላይ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደ ድማ ቛንቋታት ናይ ምትርጓም ነዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፈቐዶ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለየ ውህብቶ ይዕድሎ። ንሕና ኣይሁድ ኮንና ግሪካውያን፥ ባሮት ኮንና ነፃ ሰባት ኵልና፥ ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፥ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፤ ሓደ መንፈስውን ሰተና። እቲ ሰብነት ከዓ ብብዙሕ እምበር፥ ብሓደ ኣካል ዝተሰርሐ ኣይኮነን። እግሪ፥ “ኣነ ኢድ ስለ ዘይኮንኩ፥ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን” እንተበለ፥ በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃኑ ይተርፎ እዩ? እዝኒ ድማ “ኣነ ዓይኒ ስለ ዘይኮንኩ፥ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን” እንተበለት፥ በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃና ይተርፋ እዩ? ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ፥ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ? እቲ ሰብነት ኵለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ፥ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ? ሕዚ ግና ኣምላኽ፥ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት፥ ኣብቲ ሰብነት ሰርዖ። ኵሉ ሓደ ኣካል እንተ ዝኸውን፥ ሰብነት ኣበይ ምተረኽበ? ሕዚ ግና፥ እቲ ኣካላት ብዙሕ እንተ ኾነ እኳ፥ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ። ስለዙይ ዓይኒ ንኢድ “ኣይደልየክን” ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፤ ርእሲ ድማ ነእጋር “ኣይደልየኩምን” ክብሎም ኣይኽእልን እዩ። እኳ ደኣ እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም፥ የመና ዘድልዩ። ነቲ ኣብ ሰብነት ዘሎ፥ ሕሱር ኣካል ዝመስለና ኸዓ፥ ብፍሉይ ክብሪ ንከናኸኖ፤ ንሓፍረትናውን የመና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካልና ግና እዙይ ኣየድልዮን እዩ። ግና እቲ ኣካላት፥ ንስንሳቱ ኽፃወር እምበር፥ ኣብቲ ሰብነት ምፍልላይ ምእንቲ ኸይኸውንስ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል፥ ዝበዝሕ ክብሪ እናሃበ፥ ነቲ ሰብነት ኣጋጠሞ። ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ። እምበኣርከስ ንስኻትኩም፥ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ፥ ኣካላቱ ኢኹም። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሃዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሳልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደሓር ተኣምራት ዝገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም፥ ዝሕግዙ፥ ዘመሓድሩ፥ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ፥ ሰርዐ። ኵላቶምዶ ሃዋርያት እዮም? ኵላቶምከ ነቢያት ድዮም? ኵላቶምዶ መምህራን እዮም? ኵላቶምከ ገበርቲ ተኣምራት ድዮም? ኵላቶምዶ ውህብቶ ምፍዋስ ዘለዎም እዮም? ኵላቶምዶ ብቛንቋታት ዝዛረቡ እዮም? ኵላቶምከ ይትርጕሙ ድዮም? ነተን ዝዓበያ ውህብቶታት ደኣ ብብርቱዕ ድለዩ። ሕዚ ኸዓ፥ ዝበለፀ መንገዲ ኸርእየኩም እየ። ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ተዛረብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከም ዝደምፅ ነሃስ፥ ወይ ጭልጭል ከም ዝብል ፀናፅል እየ። ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ። ኵሉ ገንዘበይውን ንድኻታት እንተ ዓደልኩ፥ ሰብነተይ ብሓዊ ንምቅፃል ኣሕሊፈ እንተ ሃብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ሓደኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዘይግባእ ኣይገብርን፤ ፍቕሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣይብልን፤ ፍቕሪ ኣይበሳጮን፤ ፍቕሪ ኣይቕየምን። ፍቕሪ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር፥ ብዓመፅ ባህ ኣይብሎን። ፍቕሪ ንዅሉ ይፀውር፤ ንዅሉ ይኣምን፤ ብዅሉ ድማ ተስፋ ይገብር፤ ንዅሉውን ይዕገስ። ትንቢት እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ኽሰዓር እዩ፤ ምዝራብ ቋንቋታት እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ኽውዳእ እዩ፤ ፍልጠት እንተ ሃልዩውን፥ ንሱ ኽሰዓር እዩ፤ ፍቕሪ ግና ኸቶ ኣየቋርፅን እዩ። እቲ እንፈልጦ ኾነ እንንበዮ፥ ምሉእ ኣይኮነን። ግና እቲ ፍፁም ዝኾነ ምስ መፀ፥ እቲ ጐደሎ ኽሰዓር እዩ። ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ኸም ቈልዓ እዛረብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓ እሓስብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓውን እመራመር ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣይ ዝፈልጠኒ፥ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ። ብቛንቋታት ዝዛረብ ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝዛረብ፤ ነቲ ዝዛረቦ ዘስተውዕሎ ሓደኳ የለን፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ፥ ምስጢራት እዩ ዝዛረብ። ትንቢት ዝንበ ግና፥ ንሰብ ዝሃንፅን ዘተባብዕን ዘፀናንዕን እዩ ዝዛረብ። ብቛንቋታት ዝዛረብ ንባዕሉ ይሃንፅ፤ ትንቢት ዝናገር ግና፥ ንቤተ ክርስቲያን ይሃንፅ። ሕዚ ኸዓ ዅልኻትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፥ ብሕልፊኳ ኽትንበዩ ድልየተይ እዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ ነቲ ብቛንቋታት ዝተዛረቦ እንተ ዘይተተርጐመ፥ ካብቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ እቲ ዝንበ ይበልፅ። ሕዚ ግና ኣሕዋተይ፥ ብራእይ ወይ ብፍልጠት፥ ወይ ብትንቢት ወይ ብትምህርቲ ዘይኮነስ፥ ናባኻትኩም መፂአ ብቛንቋታት እንተ ተዛረብኩ፥ እንታይ ምጠቐምኩኹም? እቲ ህይወት ዘይብሉ፥ ከም እምብልታ ወይ መሰንቆ ዝመሰለ፥ ዝደምፅ ነገራት፥ ፍሉይ ዝኾነ ቃና እንተ ዘየስምዐ፥ እቲ ብእምብልታ ወይ ብመሰንቆ ዝተቓነየ እንታይ ምዃኑ ይፍለጥ? መለኸትከ ዘይፍሉጥ ድምፂ እንተ ኣስምዐ፥ መን እዩ ንውግእ ዝስለፍ? ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም፥ ሰብ ብዘይርድኦ ቛንቋ እንተ ተዛረብኩም፥ ነቲ ዝተዛረብኩምዎ፥ መን ክርድኦ ይኽእል? ምስ ንፋስ ከም ዝዛረብ ኢኹም እትኾኑ። ኣብ ዓለም፥ በበይኑ ዝኾነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፤ ትርጕም ዘይብሉ ግና የለን። እምበኣር ኣነ ናይቲ ዝተነግረ ቛንቋ ትርጕም ዘይፈልጥ እንተ ኾይነ፥ ነቲ ኣነ ዝዛረቦ፥ ባዕዲ እየ ዝኾኖ፤ እቲ ዝዛረብ ከዓ፥ ባዕዲ እዩ ዝኾነኒ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ውህብቶታት መንፈስ፥ ሃረር እትብሉ ኻብ ኮንኩም፥ እቶም ንቤተ ክርስቲያን ዝሃንፁ ውህብቶታት ክበዝሑልኩም ድለዩ። ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ ምትርጓም ምእንቲ ክኽእል ይፀሊ። ብቛንቋታት እንተ ፀለኹ፥ መንፈሰይ እዩ ዝፅሊ፤ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ። እሞ እንታይ ደኣ ኽገብር? ብመንፈስ ክፅሊ፥ ብኣእምሮይውን ክፅሊ እየ፤ ብመንፈስ ክዝምር፥ ብኣእምሮይውን ክዝምር እየ። እንተ ዘይኮነ፥ ብመንፈስ ክትባርኽ እንተለኻ፥ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዘይርድኦ ሰብ፥ ነቲ እትብሎ እንተ ዘይፈለጦ፥ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ “ኣሜን” ክብል ይኽእል? ንስኻ ፅቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣለኻ፤ እቲ ኻልእ ግና ኣይህነፀሉን። ካብ ዅልኻትኩም ብዝበለፀ፥ ብቛንቋታት ስለ ዝዛረብ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኖ እየ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግና፥ ንኻልኦት ምእንቲ ኽምህር፥ ብቛንቋታት እልፊ ቓላት ካብ ዝዛረብ፥ ብኣእምሮ ሓሙሽተ ቓላት ክዛረብ እፈቱ። ተብሂሉ ተፅሒፉ ኣሎ። ስለዙይ ብቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቶም ዝኣምኑ ዘይኮነስ፥ ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ፤ ትንቢት ከዓ ነቶም ዘይኣምኑ ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝኣምኑ እዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን ብምልእታ ምስ ተኣከበት፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ብቛንቋታት እንተ ዝዛረብ እሞ፥ ዘይተምሃሩ ወይ ዘይኣምኑ ሰባት እንተ ዝመፁ፥ “እዚኣቶም ዓቢዶም እዮም” ኣይምበልዎምንዶ? ኵላቶም እንተ ዝንበዩ ግና፥ ሓደ ዘይኣምን ወይ ዘይተምሃረ እንተ ዝኣቱ፥ በቲ ዅላቶም ዝብልዎ ምተወቕሰ፤ በቲ ዅሎም ዝብልዎውን ምተፈርደ። እቲ ኣብ ልቡ ዝተሰወረ ነገርውን ምተገልፀ፤ “ብርግፅ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣሎ” እናበለ ድማ፥ ብገፁ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ምሰገደ። ብቛንቋታት ዝዛረቡ እንተ ሃልዮም፥ ክልተ፥ እንተ በዝሑ ኸዓ ሰለስተ በብተራ ይዛረቡ፤ ሓደ ድማ ይተርጕሞ። ተርጓሚ እንተ ዘየለ ግና፥ እቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ይበል፤ ንባዕሉን ንእግዚኣብሄርን ጥራሕ ይዛረብ። ነቢያት ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም በብተራ ይዛረቡ፤ እቶም ካልኦት ድማ ይመርምሩ። ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ፥ ንሓደ ራእይ እንተ ተገልፀሉ ግና፥ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። ኵላቶም ምእንቲ ኽመሃሩ፥ ኵላቶምውን ምእንቲ ኽተባብዑስ፥ ኵልኻትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም መናፍስቲ ነቢያት ነቶም ነቢያት ይግዝእዎም እግዚኣብሄር ናይ ሰላም ኣምላኽ እምበር፥ ናይ ሁከት ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ ኵለን ናይ ቅዱሳን ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዙይ እዩ። ክመሃራ እንተ ደለያ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኣተን ንሰብኡተን ይጠይቓ፤ ንሰበይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ። ቃል እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ድዩ ወፂኡ? ወይ ኣባኻትኩም ጥራሕ ድዩ በፂሑ? ሓደ “ኣነ ነቢይ እየ” ወይ “መንፈሳዊ ውህብቶ ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ምዃኑ ይፍለጥ። ነዙይ ኽፈልጥ ዘይደሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱውን ኣይፍለጥን። ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ክትንበዩ ሃረር በሉ፤ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልክሉ፤ እንተ ኾነ ዅሉ ብስርዓትን ብኣገባብን ደኣ ይኹን። ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፥ ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን፥ ብእኡ ድማ ፀኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ። ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ቃል፥ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩምዎ እንተ ሃሊኹምስ፥ ብእኡ ድሒንኩም ኢኹም፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እምነትኩም ከንቱ እዩ። ተቐበረውን” ኸምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ ኸዓ “ብሳልሳይ መዓልቲ ተስአ” ንጴጥሮስ ተርኣዮ፤ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ብድሕሪኡ፥ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዝበዝሑ ኣሕዋት፥ ብሓደ ጊዜ ተርአየ፤ ካብኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኽሳዕ ሎሚ ኣለዉ፤ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም እዮም። ብድሕሪኡ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ንዅላቶም ሃዋርያት ተርአየ። ድሕሪ ዅላቶም ድማ፥ ብዘይ መዓልቱ ዝተወለደ ንዝመስል ንኣይ ተርኣየኒ። ኣነ ኻብ ኵላቶም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ዘሳጐጕክዋ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ሃዋርያ ኽበሃል ዘይግብአኒ እየ። እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን። እምበኣር ኣነ ኾንኩ ንሳቶም፥ ነዙይ ኢና እንሰብኽ ዘለና፤ ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝኣመንኩም። ክርስቶስ ካብ ሙታን ከም ዝተስአ ኻብ ተሰበኸ፥ ከመይ ኢሎም ደኣ ኻባኻትኩም፥ ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ዘለዉ? እምበኣር ትንሳኤ ሙታን ዘየለ እንተ ኾይኑስ፥ ክርስቶስውን ኣይተስአን። ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ስብከትና ኸንቱ እዩ፤ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። እግዚኣብሄር ንክርስቶስ ከም ዘተስኦ መስኪርና ኔርና፤ ንምዉታን ዘየተስኦም እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ እምበኣር ንክርስቶስውን ኣየተስኦን። ንሕና ኸዓ ሓሰውቲ መሰኻኽር እግዚኣብሄር ኴንና ንርከብ ኣለና። ንምዉታን ዘየተስኦም እንተ ኾይኑ፥ ክርስቶስውን ኣይተስአን። ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ እምነትኩም ከንቱ እያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም። እምበኣር እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ኸዓ፥ ጥፉኣት እዮም። ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ እነሕዝን ኢና። ስለዙይ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሞት ዝመፀ፥ ከምኡ ኸዓ ትንሳኤ ሙታን፥ ብሓደ ሰብ እዩ ዝመፀ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፥ ከምኡ ድማ፥ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ክኾኑ እዮም። ግና ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፤ ኣቐዲሙ ክርስቶስ ተስአ፤ ደሓር ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ እቶም ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ክትስኡ እዮም። ክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ስዒሩ፥ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣብ ምስ ወፈያ፥ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ። ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ። እቲ ኽሰዓር ዘለዎ ናይ መወዳእታ ፀላኢ ኸዓ፥ ሞት እዩ። መፅሓፍ “እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚኡሉ እዩ” ይብል፤ እንተ ኾነ፥ “ኵሉ ኣግዚኡሉ እዩ” ኽብል እንተሎ ግና፥ ነቲ ኸም ዝግዝኦ ንዝገበረ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከም ዘይምልከት ግሁድ እዩ። ኵሉ ምስ ተገዝአሉ ግና፥ ኣምላኽ ኵሉን ኣብ ኵሉን ምእንቲ ክኸውን፥ ወልድ ባዕሉ፥ ነቲ ዅሉ ዘግዝአሉ ኽግዛእ እዩ። እንተ ዘይኮነ፥ እቶም ክንዲ ምዉታን ዝጥመቑ ደኣ፥ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ብሱሩ ምዉታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖምከ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኽንድኣቶም ዝጥመቑ? ስለ ምንታይከ ንሕና ዅሉ ጊዜ ንመከራ እንቃላዕ? ኣሕዋተይ፥ ኣነ በብመዓልቱ ሞት ዘጋጥመኒ ዘሎ፥ በቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸም ዝኾነ፥ ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ። ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተ ኾይኑ፥ ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝተዋጋእኹ ደኣ፥ እንታይ እዩ ረብሓይ? ምውታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖም ግና፥ ከምቲ “ዒራ ፅባሕ ክንመውት ኢናሞ ንብላዕ ንስተ” ዝብልዎዶ ኣይምኾነን? ኣይትታለሉ፤ ሕማቕ ዕርክነት ንፅቡቕ ባህርይ የበላሽዎ እዩ። ቅንዕና ንምግባር ተበራበሩ፤ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ፤ ገሊኣቶም ካባኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎ ኣለዉሞ፥ ምእንቲ ኽትሓፍሩ ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ። ገሊኡ ሰብ ግና “ምዉታን ከመይ ኢሎም እዮም ዝትስኡ? ከመይ ዝበለ ሰብነትከ እዩ ኽህልዎም?” ዝብል ይህሉ ይኸውን። ኣታ ዓሻ! እቲ ንስኻ እትዘርኦ እንተይሞተ፥ ህይወት ኣይረክብን እዩ። እቲ እትዘርኦ ድማ፥ ናይ ስርናይ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራሕ እዩ እምበር፥ ነቲ ዝኸውን ኣካል ኣይኮንካን እትዘርኦ። ኣምላኽ ግና፥ ከም ዝደለዮ ገይሩ እዩ ኣካል ዝህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን፥ ነናቱ ኣካል ይህቦ። ስጋ ሰብ በይኑ፥ ስጋ እንስሳ በይኑ፥ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፥ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፥ ኵሉ ስጋ ሓደ ዓይነት ኣይኮነንሞ። ሰማያዊ ኣካል ኣሎ፤ ምድራዊ ኣካል ከዓ ኣሎ፤ ግና ኽብሪ እቲ ሰማያዊ በይኑ፥ ክብሪ እቲ ምድራዊውን በይኑ እዩ። ክብሪ ፀሓይ በይኑ፥ ክብሪ ወርሒ በይኑ፥ ክብሪ ኸዋኽብቲ እውን በይኑ እዩ፤ ብኽብርስ፥ ኮኸብውን ካብ ኮኸብ ይበልፅ እዩ። ትንሳኤ ሙታንውን ከምኡ እዩ፤ ብዝብስብስ ይዝራእ፤ ብዘይብስብስ ከዓ ይትስእ። ብውርደት ይዝራእ፤ ብኽብሪ ይትስእ። ብድኻም ይዝራእ፤ ብሓይሊ ይትስእ። ስጋዊ ኣካል ይዝራእ፥ መንፈሳዊ ኣካል ይትስእ። ስጋዊ ኣካል እንተ ሃልዩ፥ መንፈሳዊ ኣካልውን ኣሎ። “እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም፥ ህያው ነፍሲ ኾነ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ። ግና ቕድም እቲ ስጋዊ፥ ደሓር ከዓ፥ እቲ መንፈሳዊ እዩ እምበር፥ እቲ መንፈሳዊ መጀመርታ ኣይኮነን። እቲ ቐዳማይ ሰብ፥ ካብ መሬት ስለ ዝኾነ መሬታዊ እዩ፤ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ኻብ ሰማይ እዩ። እቶም መሬታውያን ከምቲ መሬታዊ እዮም፤ እቶም ሰማያውያን ድማ፥ ከምቲ ሰማያዊ እዮም። ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበስና፥ ከምኡ ድማ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ኽንለብስ ኢና። እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ፥ ኵላትና ብሓንሳእ ብቕፅበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር፥ ኵላትና ኣይንድቅስን ኢና። እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ምዉታን ድማ፥ ዘይሞቱ ኾይኖም ክትስኡ እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ከዓ ዘይመውት ክለብስ ይግብኦ እዩሞ። ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ቓል ክፍፀም እዩ። ሲኦልከ ኣሸናፊነትካ ኣበይ ኣሎ?” ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ። ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ። እቲ ምውፃእ ገንዘብ፥ ኣነ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም እቶቱ ኣዋህሊሉ፥ ኣብ ገዛኡ የቐምጥ። ኣነ ምስ መፃእኹ ድማ፥ ነቲ ውህብቶኹም ናብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኸብፅሑ፥ ነቶም ዝሓረኹምዎም ሰባት መልእኽቲ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። ኣነ ክኸይድ ዘድሊ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ምሳይ ይኸዱ። ናብቲ ዝኸዶ ዓዲ ምእንቲ ኽተፋንዉኒ፥ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እፀንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ። ከም ሓላፊ መንገዲ ኾይነ ኽሪአኩም ኣይደልን እየሞ፥ እግዚኣብሄር እንተ ፈቒድዎ፥ ቁሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ክፀንሕ ተስፋ ኣለኒ። ግና ኽሳዕ በዓለ ሓምሳ፥ ኣብ ኤፌሶን ክፀንሕ እየ። ዓቢይን ፍረ ዘለዎን ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፤ ተፃረርተይ ግና ብዙሓት እዮም። ሓደኳ ኣይንዓቆ፤ ምስቶም ኣሕዋት ክመፅእ እፅበዮ ኣለኹ እሞ፥ ዘድልዮ ሂብኩም ብሰላም ኣፋንውዎ። ኵሉ ነገር ብፍቕሪ ግበርዎ። ኣሕዋተይ፥ ስድራ እስጢፋኖስ፥ ኣብ ሃገር ኣካይያ ቐዳሞት ኣመንቲ ኸም ዝኾኑን፥ ንቅዱሳን ኸገልግሉ ንርእሶም ከም ዘወፈዩን ትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩም ከዓ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን፥ ነቶም ምሳና ዝሰርሑን ዝፅዕሩን፥ ክትእዘዝዎም እምዕደኩም ኣለኹ። እስጢፋኖስን ፈርዶናጡስን ኣካይቆስን ብምምፅኦም ሕጉስ እየ። ክንዳኻትኩም ኮይኖም፥ ነቲ ዝጐደለኒ መሊኦምለይ ኢዮምሞ። ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣዕሪፎም እዮም እሞ፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም። እተን ኣብ እስያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣቂላን ጵርስቅላን ምስታ ኣብ ቤቶም እትእከብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ኵላቶም እቶም ኣሕዋት፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ። ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ዝተረገመ ይኹን። ማራናታ! ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ፍቕረይ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምፅንናዕን ዝኾነ፥ ናይ ጐይታና ኢየሱሱ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን እግዚኣብሄር ይባረኽ። በቲ ንባዕልትና ኻብ እግዚኣብሄር እንፀናንዐሉ ምፅንናዕ፥ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዅላቶም ክነፀናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና፥ ብመከራና ዅሉ ዘፀናንዐና ንሱ እዩ። ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ፥ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምፅንናዕና ኽበዝሕ እዩ። ንሕና መከራ እንተ ተቐበልና፥ ምእንቲ ምፅንናዕኹምን ምድሓንኩምን እዩ፤ ንሕና እንተ ተፀናኒዕና ድማ፥ ንሕና እንቕበሎ ዓይነት መከራ እንትትቅበሉ፥ ብትዕግስቲ ብምቕባል፥ ፀኒዕኹም ምእንቲ ኽትፀናንዑ እዩ። ከምቲ ኣብ መከራና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም፥ ኣብ ምፅንናዕናውን ከም እትካፈሉ ስለ እንፈልጥ፥ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ፅንዕቲ እያ። እወ፥ ንምዉታት ብዘተስእ እግዚኣብሄር እምበር፥ ብርእስና ምእንቲ ኸይንተኣማመን፥ ንሕና ባዕልትና ሞት ከም ዝተፈረደና፥ ኣብ ውሽጥና ይስመዐና ነይሩ። ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና። ንስኻትኩም ከዓ ብፀሎትኩም ክትድግፉና ይግባእ፤ በቲ ናይ ብዙሓት ፀሎት እንረኽቦ ውህብቶ ፀጋ ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም። ብዘይ እቲ እተንብብዎን እተስተውዕልዎን፥ ካልእ ኣይንፅሕፈልኩምን ኢና፤ ሕዚ ብሓደ ወገን ኢኹም እትፈልጡና። በታ ጐይታና ኢየሱስ ዝመፀላ መዓልቲ ግና፥ ከምቲ ንስኻትኩም ትምክሕትና ዝኾንኩም፥ ንሕናውን ትምክሕትኹም ከም ዝኾንና፥ ኣፀቢቕኩም ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ። በኣኻትኩም ኣቢለ ኸዓ፥ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፥ እንትምለስ ድማ ኻብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ንስኻትኩም ድማ ዘድልየኒ ሓጊዝኩም፥ ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ። ከምዙይ ኢለ ኽውስን እንተለኹ፥ ቅዉም ሓሳብ ስለ ዘይብለይ ድየ? ወይ “እወ፥ እወ” ኽብል ፀኒሐ “ኣይኮነን፥ ኣይኮነን” ብዝብል ልማድ እዛ ዓለም፥ ዝምራሕ ስለ ዝኾንኩ ድየ? እግዚኣብሄር እሙን ከም ዝኾነ ዝነገርናኩም ቃልና “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን። እቲ ብኣይን ብስልዋኖስን ብእግዚኣብሄር ተውሂቡ ዘሎ ዅሉ ተስፋ “እወ” ዝኸውን ብክርስቶስ እዩ፤ ስለዙይ ከዓ እዩ ንኽብሪ እግዚኣብሄር “ኣሜን” እንብል። እቲ ንኣና ምሳኻትኩም ብክርስቶስ ዘፅንዐናን፥ ዝቐብአናን እግዚኣብሄር እዩ። ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ። ብእምነት ፀኒዕኹም ስለ ዘለኹም፥ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንሰርሕ ደኣ ኢና እምበር፥ ኣብ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኮንናን። ስለዙይ ብሓዘን፥ መሊሰ ናባኻትኩም ከይመፅእ ወሰንኩ። ኣነ እንተሕዚነኩም፥ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝሓዘነ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ፥ መን እዩ ዘሐጕሰኒ? እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ክመፅእ እንተለኹ፥ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ፥ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ ኢለ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ፥ ሓጐስ ኵልኻትኩም ከም ዝኾነ፥ ከም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ። ብብዙሕ መከራን ጭንቀት ልብን፥ ብብዙሕ ንብዓትን ዝፀሓፍኩልኩም፥ ክሳዕ ኽንደይ ኣፀቢቐ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፥ ምእንቲ ኸሕዝነኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ ተግሳፅ ይኣኽሎ እዩ። እኳ ደኣ፥ ብብዝሒ ሓዘን ከይወሓጥ፥ ይቕረ በሉሉን ኣፀናንዕዎን። ስለዙይ ምስኡ ፍቕርኹም ክተፅንዑ እምዕደኩም ኣለኹ። ነዙይ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ነቲ ፈተና ስዒርኩም፥ ብዅሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም፥ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ። ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፥ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣለኹ። እቲ ይቕረ ዝበልኩሉ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ፥ ይቕረ ዝበልክዎ። እዙይ ማለተይ ከዓ፥ ተንኰል ሰይጣን ከመይ ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፥ ከየታልለና ኢለ እየ። ንቲቶ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፥ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብኣቶም ተሰናቢተ፥ ናብ መቄዶንያ ኸድኩ። ግና ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ፥ ኵልሻዕ ናብ ዓወት ዝመርሐና፥ ብኣና ገይሩውን ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ንምግባር፥ ከም ጥዑም መዓዛ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝገልፅ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ። ኣብ ማእኸል እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መዓዛ ክርስቶስ ኢናሞ። ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ? ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን። እታ ዅሉ ሰብ ምእንቲ ኽፈልጣን ከንብባን፥ ኣብ ልብና ንስኻትኩም፥ ካብ ክርስቶስ ዝተልኣኸት፥ ብኣናውን ዝበፅሐት፥ ብቐለም ዘይኮነ፥ ብመንፈስ እቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈት፥ ኣብ ፅላት እምኒ ዘይኮነ፥ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርፀት መልእኽቲ ምዃንኩም፥ ግሁድ እዩ። እዙይ እንብል ዘለና ኸዓ፥ በቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለና፥ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ እምነት እዩ። ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን። ናይታ ብፊደል ዝተፅሓፈት ሕጊ ዘይኮነስ፥ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓዳስ ኪዳን፥ ኣገልገልቲ ኽንከውን ብቑዓት ዝገበረና እግዚኣብሄር እዩ፤ ፈደል ይቐትል፥ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ እዩ እሞ። እቲ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ብኽብሪ ዘይግለፅ? እቲ ዅነኔ ዘስዕብ ኣገልግሎት ካብ ከበረ፥ እቲ ፅድቂ ዘስዕብ ኣገልግሎት ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ዘይኸብር? እቲ ኽቡር ዝነበረ፥ እዝ ኻብኡ ዝኸበረ ብምምፃኡ ኽብሪ ኸም ዘይነበሮ ኾነ። እቲ እናሃሰሰ ዝኸይድ ሓላፊ፥ ብኽብሪ ኻብ መፀ፥ እቲ ፀኒዑ ዝነብር ደኣ ኸመይ ኣብሊፁ ብኽብሪ ዘይኸውን! ንሕና፥ ከምቲ ሙሴ ነቲ ዝሃስስ ዝነበረ ምንፅብራቕ ገፁ፥ ደቂ እስራኤል ከይሪእዎ ዝጕልበብ ዝነበረ ኣይኮንናን። እንተ ኾነ ልቦም ተደፊኑ እዩ፤ ብሉይ ኪዳን ከንብቡ እንተለዉ፥ እቲ ጕልባብ ገና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዐሎምን፤ እቲ ጕልባብ እቱይ ዝቕላዕ፥ ብክርስቶስ ጥራሕ እዩ እሞ። እወ፥ ክሳዕ ሎሚውን ሕጊ ኦሪት ክንበብ እንተሎ፥ ልቦም ብጕልባብ ክዉል እዩ። ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ እንትምለስ ግና፥ እቲ ጕልባቡ ይቕንጠጠሉ እዩ። ጐይታስ፥ መንፈስ እዩ፤ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፥ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና። ስለዙይ፥ ከምቲ ምሕረት ዝተውሃበና፥ እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለዘለና፥ ተስፋ ኣይንቘርፅን ኢና። እኳ ደኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ብገሃድ ነቕርብ እምበር፥ ብተንኰል ኣይተመላለስናን፤ ንቓል እግዚኣብሄርውን ኣይለወጥናን፤ ነቲ ብሕቡእ ዝግበር ነውራም ነገርውን፥ ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና። እቲ እንሰብኮ ወንጌል ክዱን እንተ ኾነ፥ ክዱን ዝኸውን፥ ነቶም ዝጠፍኡ ጥራሕ እዩ። ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ንሕና ኸዓ ምእንቲ ክርስቶስ፥ ኣገልገልትኹም ከም ዝኾንና እምበር፥ ብዛዕባ ርእስና ኣይኮንናን እንሰብኽ። እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ። ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፤ ግና ኣይንሰዓርን፤ እንገብሮ ይጠፍአና፤ ግና ተስፋ ኣይንቐብፅን፤ የሳጕጉና፤ ግና ኣይንድርበን፤ ተወቒዕና ንወድቕ፤ ግና ኣይንጠፍእን። ህይወት ኢየሱስ፥ ኣብ መዋታይ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድውን፥ ሞት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ዅልሻዕ ንፀውር ኣለና። ህይወት ኢየሱስ፥ ኣብ መዋቲ ሰብነትና ምእንቲ ኽገሃድ ድማ፥ ንሕና ብህይወት እንነብር ዘለና፥ ምእንቲ ኢየሱስ፥ ኵልሻዕ ናብ ሞት ኣሕሊፎም ይህቡና ኣለዉ። ስለዙይ ሞት ኣባና፥ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ይሰርሕ ኣሎ። ከምቲ “ኣመንኩ፤ ስለዙይ ተዛረብኩ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ሓደ ዝዓይነቱ መንፈስ እምነት ስለ ዘለና፥ ንሕና ድማ ነኣምን፤ ስለዙይውን ንዛረብ ኣለና። እቲ ንጐይታና ኢየሱስ ዘተስኦ፥ ንኣናውን ምስ ኢየሱስ ከም ዘተስአናን፥ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘቑመናን፥ ንፈልጥ ኢናሞ። እዝ ዅሉ ንጥቕምኹም እዩ፤ ብዙሕ ፀጋ ኣብ ብዙሓት ሰባት ክብርክት እንተሎ፥ እቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝዓርግ ምስጋና፥ ክበዝሕ እዩ እሞ። ስለዙይ ተስፋ ኣይንቐብፅን ኢና፤ እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተበለየ እኳ፥ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩ። እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ። እቲ ዝረአ ሓላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ንሕና ኸዓ ኣብቲ ዝረአ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይረአ ኢና እንጥምት ዘለና። ኣብዙይ ግና ንግዕር ኣለና፤ እቲ ሰማያዊ ቤትና ኽንለብስ ከዓ፥ ንናፍቕ ኣለና። ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ ዕሩቓት ኴንና ኣይንርከብን ኢናሞ። ኣብዝ ድንኳን ዝኾነ፥ ምድራዊ ሰብነትና ኽሳዕ ዘለና፥ ከቢዱና ንግዕር፤ እዙይውን ክንቅንጠጥ ደሊና ዘይኮንናስ፥ ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ እቲ መዋታይ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽወሓጥ እዩ። ነዙይ ዘዳለወና እግዚኣብሄር እዩ፤ ዕርቡን መንፈሱውን ዝሃበና ንሱ እዩ። ኣብዝ ሰብነት እዙይ ክሳዕ ዘለና፥ ካብ ጐይታ ብርሕቐት፥ ኣብ ስደት ከም ዘለና፥ እንተ ፈለጥና እኳ፥ ኵልሻዕ ብእኡ ንተኣማመን ኢና። ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ። ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ። ብህይወት እናሃለና ኾነ እንተ ተፈለና፥ ንእኡ ንምሕጓስ ንፅዕር ኣለና። ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ። ነቶም ብልቢ ዘሎ ዘይኮነ፥ ብዝረአ ኣፍኣዊ ንዝምክሑ፥ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ብኣና ኽትምክሑ፥ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር፥ መሊስና ንባዕልትና ኽንንእድ ኢልና ኣይኮንናን። ንሕናስ ዕቡዳት እንተ ዄንና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ለባማት እንተ ዄንና ድማ፥ ንኣኻትኩም እዩ። ሓደ፥ ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ። እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ። እምበኣር፥ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብስጋዊ መንገዲ፥ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብስጋዊ መንገዲ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ፥ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና። ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ። እዝ ዅሉውን፥ ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ካብ ዝሃበና፥ እግዚኣብሄር እዩ። እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ገይሩ፥ ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና። ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ። ኸም ዝብሎ፥ እንሆ፥ እታ ሕርይቲ ሰዓት ሕዚ እያ፤ እታ መዓልቲ ምድሓንውን ሕዚ እያ። እኳ ደኣ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ንባዕልትና ነቕርብ። ብብዙሕ ትዕግስቲ፥ ብመከራ፥ ብጭንቂ፥ ብሽግር፥ ብመግረፍቲ፥ ብማእሰርቲ፥ ብሁከት፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ብምስኣን፥ ብጥምየት፥ ነዙይ ከዓ ብቕድስና፥ ብምስትውዓል፥ ብዓቕሊ፥ ብለውሃት፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብሓቀኛ ፍቕሪ፥ ብቓል ሓቂ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ብየማንን ብፀጋምን ኣእዳውና ኣፅዋር ፅድቂ ብምሓዝ፥ ብኽብርን ብሕስራንን፥ ፅቡቕ ክዛረቡልና ኾነ ኸፀልሙና፥ ንረአ ኣለና፤ ከም መስሐትቲ፥ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና። ከም ዘይተፈለጥና፥ ግናኸ ኣፀቢቕና ፍሉጣት ኢና። ከም ዝሞትና፥ ግና እንሆ ህያዋን ኢና። ከም ቅፁዓት፥ ግናኸ ኣይተቐተልናን። ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙሓት ነሀብትም ኢና። ኵሉ እንተለናስ፥ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና። ኣቱም ሰብ ቆሮንቶስ፥ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፤ ልብናውን ኣስፊሕና ኢና። ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝፀበበኩም እምበር፥ ኣባናስ ኣይፀበበኩምን። ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፥ ከም ደቀይ እየ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ልብኹም ኣስፍሑ። ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ? ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና። ኣነውን ክቕበለኩም እየ። ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ። እዝ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ክወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም፥ ኣብ ልብና ኢኹም ዘለኹምሞ፥ ብህይወት እንተለና ወይ እንተ ሞትና፥ ኵልሻዕ ብሓደ ኢና። ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ኣለኒ፤ ብኣኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸዓ ዓብዪ እዩ፤ ተፀናኒዐውን ኣለኹ። ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ሃለወና፥ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን። እቲ ንዝሓዝኑ ዘፀናንዕ እግዚኣብሄር ግና፥ ብምምፃእ ቲቶ ገይሩ ኣፀናንዐና። ግና በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምፅንናዕ ደኣ እምበር፥ ብምምፃኡ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘለኩም፥ ከም እተናሳሕኹም፥ ንኣይውን እምብዛ ኸም እትሓልዩ ምስ ነገረና፥ የመና ተሓጐስኩ። ሕዚ ግና ስለ ዘጕሀኹኹም ዘይኮነስ፥ ብኣና ምኽንያት፥ ዝኾነ ጕድኣት ስለ ዘይበፅሐኩምን፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ንንስሃ ስለ ዝጐሀኹምን፥ እሕጐስ ኣለኹ። ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ። እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝጐሀኹምዎ፥ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንፁሃት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ሓጢኣት ምፅላእን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ከም ዝህልወኩምን፥ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድረኩምን፥ ብቕንዕና ኸም እትፈርዱን እውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ፥ ብዅሉ ንፁሃት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም። ስለዙይ ድማ ተፀናናዕና። ኣብቲ ናትና ምፅንናዕ ብተወሳኺ፥ ቲቶ ብምሕጓሱን ንመንፈሱ ስለ ዘዕረፍኩምዎን፥ ብዝበለፀ ተሓጕስና ኣለና። ኣነ ኸም ዝምክሐልኩም ንቲቶ ነጊረዮ ነይረ፤ ንስኻትኩምውን ኣየሕፈርኩምንን። ከምቲ ዅሉ ንኣኻትኩም ዝነገርናኩም፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ብዛዕባኻትኩም ተመኪሕና ንቲቶ ዝነገርናዮውን፥ ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊፁ ኣሎ። ከም ዝተኣዘዝኩምዎን፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምዎን እናዘከረ፥ ኣባኻትኩም ዘለዎ ፍቕሪ እምብዛ ዓብዪ እዩ። ብዅሉ እተኣማመነልኩም እየሞ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ። ብብዙሕ መከራ ተፈቲኖም እዮም፤ እንተ ኾነ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ፥ የመና ድኻታት እኳ እንተ ኾኑ፥ የመና ድማ ለጋሳት እዮም። ባዕልቶም ፈትዮም፥ ከም ዓቕሞምን፥ አረ ኻብ ዓቕሞም ንላዕልን፥ ከም ዝለገሱ እምስክረሎም እየ። ቅዱሳን ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ክሳተፉ፥ ግደ ኽወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና። ከምቲ ንሕና ዝተፀበናዮ ዘይኮነ ኸዓ፥ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸዓ ንኣና፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ርእሶም ወፈዩ። ስለዙይ፥ ከምቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ፥ ነዝ ናይ ልግስናኹም ኣገልግሎት፥ ኣብ ፍፃሜ ኸብፅሖ ንቲቶ ለሚንናዮ ኣለና። ከምቲ ብዅሉ ነገር፦ ብእምነት፥ ብቓል፥ ብፍልጠት፥ ብዅሉ ትግሃት፥ በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ብሉፃት ዝኾንኩም፥ በዝ ናይ ልግሲ ሰናይ ስራሕውን፥ ብሉፃት ኩኑ። እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ምስ ናይ ካልኦት ትግሃት ብምንፅፃር፥ ፍቕርኹም ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ ከረጋግፅ ኢለ እየ እምበር፥ እእዝዘኩም ኣይኮንኩን ዘለኹ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ። ሕዚ ኸዓ እቲ ዝነበረኩም ድልየት፥ ምልኣት ምእንቲ ኽረክብ፥ ነቲ ሰናይ ምግባር ከም ዓቕምኹም ጌርኩም ፈፅምዎ። ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን። እዙይ ከዓ ንኣኣቶም ክምችዎም፥ ንኣኻትኩም ግና ክፅግመኩም ኢለ ዘይኮነስ፥ ማዕርነት ምእንቲ ኽህሉ ኢለ እየ። ከምቲ ፅሑፍ “ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ ውሑድ ዝኣከበውን፥ ኣየጕደለን” ዝብሎ፥ ኣብዝ እዋን እዙይ፥ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ክምልእ፥ እቲ ተረፎም ከዓ፥ ነቲ ጐደሎኹም ክምልእ እሞ፥ ማዕረ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ። ነቲ ኣነ ምእንታኻትኩም ዘለኒ ሓልዮት፥ ኣብ ልቢ ቲቶ ንዘሕደረ ኣምላኽ፥ አመስግኖ ኣለኹ። ቲቶ ልመናይ ሰሚዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ፍቓድ፥ ብርቱዕ ድልየት ሃልይዎ እዩ፥ ናባኻትኩም ዝመፅእ ዘሎ። ምስኡውን ነቲ ብኣገልግሎት ወንጌል፥ ብዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን ዝተንኣደ ሓው፥ ንሰደልኩም ኣለና። ከምኡውን ንሱ ኣብቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ዘለና ሓልዮትን፥ ክነርኢ ኢልና፥ ናይ ልግሲ ፀጋ ኽነመሓድር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ፥ ምሳና ክኸይድ ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓረያኦ እዩ። ነዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎት ክነመሓድር፥ እንተለና ኸይንንቀፍ ንጥንቀቕ ኣለና። ዕላማና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብውን፥ ሰናይ ንምግባር እዩ እሞ። ሕዚ እውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ፥ ብዙሕ ጊዜ ብብዙሕ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ፥ ሓደ ኻልእ ሓው፥ ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እውን ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘሕደረ፥ ብዝበለፀ ይተግህ ኣሎ። ብዛዕባ ቲቶ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ ኸዓ፥ ንሱ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ሓቢሩውን፥ ንኣኻትኩም ዘገልግል እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና፥ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ፥ ንሳቶም ንኽብሪ ክርስቶስ፥ ልኡኻት ኣብያተ ክርስቲያን እዮም። እምበኣር ፍቕርኹም ነዚኣቶም ብምግላፅ፥ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣርእይዎም። ብዛዕባ ነቶም ቅዱሳን ዝኸውን ረድኤት ክፅሕፈልኩም ዘድሊ ኣይመስለንን። ክትሕግዙ ድልዋት ምዃንኩም እፈልጥ እየሞ። “እቶም ኣብ ኣካይያ ዘለዉ ኣሕዋት፥ ካብ ዓሚ ጀሚሮም፥ ንምሕጋዝ ዝተዳለዉ እዮም” እናበልኩ፥ ኣብ ሰብ መቄዶንያ ተመኪሐልኩም እየ። እቲ ትግሃትኩም ከዓ፥ ንብዙሓት ኣነቓቒሕዎም ኣሎ። እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ በዝ ተግባር እዙይ ከንቱ ምእንቲ ኸይኸውን ግና፥ ከምቲ ዝበልክዎ ተዳሊኹም ክትፀንሑ፥ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣለኹ። እዙይ ከዓ፥ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መፁ እሞ፥ ከይተዳለኹም እንተ ፀኒሕኹም፥ ብኣኻትኩም ብምምካሕና፥ ንሕና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንስኻትኩምውን ከይትሓፍሩ ኢለ እየ። ስለዙይ ነቲ ቕድም ኢሉ ኽትልግስዎ ዘተስፈኹምዎ ውህብቶ፥ ተዳልዩ ምእንቲ ኽፀንሕ፥ ኣቐዲሞም ናባኻትኩም ክኸዱ፥ ነቶም ኣሕዋት ጠየቕኩዎም። እዙይ ከዓ ፈቲኹም እምበር፥ ተገዲድኩም ከም ዘይገበርኩምዎ ኸረድእ እዩ። እግዚኣብሄር ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ እንተይፈተወ ወይ ብግዲ ዘይኮነስ፥ ከምቲ ብልቡ ዝሓሰቦ ይሃብ። ዝብሎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ ዘድልየኩም ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሰናይ ተግባር፥ ብሉፃት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ፀጋ ኸብዝሐልኩም ይኽእል እዩ። እቲ ንዘራኢ ዘርኢ፥ ንተመጋቢ ምግቢ ዝህብ ኣምላኽ፥ ዘርኢ ኽህበኩምን ከበርክተልኩምን፥ ናይ ፅድቅኹም ፍረውን ኵልሻዕ ለጋሳት ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብዅሉ ወገን ከሀብትመኩም እዩ፤ እቶም ውህብቶኹም፥ ብኢድና ኣቢሉ ዝበፅሖም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም። እዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም፥ ናይቶም ቅዱሳን ጐደሎ ምምላእ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንእግዚኣብሄር ዝበለፀ ምስጋና ኸም ዝቐርብ ይገብር እዩ። እዝ ናይ ልግስኹም ኣገልግሎት፥ ንስኻትኩም፥ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ወንጌል ክርስቶስ፥ እሙናት ከም ዝኾንኩምን፥ ንኣኣቶምን ንዅሉን ለጋሳት ከም ዝኾንኩም ስለ ዘረድእ፥ ብዙሓት ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም። ንሳቶም ንኣኻትኩም ይፅልዩልኩም እዮም። ስለ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ መጠን ዘይብሉ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ክሪኡኹም ይናፍቑ እዮም። ስለ እቲ ኽንገር ዘይከኣል ውህብቶኡ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን። ነቶም ብስጋዊ መንገዲ ኸም እንነብር ገይሮም ዝቘፅሩና ሰባት፥ ብድፍረት ክምልሰሎም እኽእል እየ፤ እንተ ኾነ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብድፍረት ኣብ ምዝራብ ከይተብፅሑኒ፥ እልምነኩም ኣለኹ። ምንም እኳ ብልማድ ሰብ እንመላለስ እንተ ኾንና፥ ከም ልማድ ሰብ ኣይንዋጋእን። ኣፅዋር ውግእና፥ ስጋዊ ኣፅዋር ኣይኮነን እሞ፤ ፅኑዕ ዕርድታት ንምፍራስ ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብርቱዕ እዩ። በዙይ ከዓ ነቲ ዅሉ ሓሳብን፥ ንፍልጠት እግዚኣብሄር ብትዕቢት ዝቃረንን ነፍርሶ፤ ንዅሉ ሓሳብ ማሪኽና ድማ፥ ንክርስቶስ ከም ዝግዛእ ንገብሮ። ንስኻትኩም ብተኣዛዝነት ፍፁማት ምስ ኮንኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘይእዘዝ፥ ክንቀፅዖ ድልዋት ኢና። በቲ ጐይታ ንመፍረሲኹም ዘይኮነስ፥ ንምህናፅኩም ዝሃበና ስልጣን፥ ቁሩብ ሕልፊ ገይረ እንተ ደኣ ተመኪሐ ኾይነ ድማ፥ ኣይሓፍርን እየ። ብመልእኽታተይ ገይረ፥ ከፈራርሐኩም ዝደለኹ ኣይምሰልኩም። ሓድሓደ ሰባት “እተን መልእኽቲታቱ ኸበድትን ብርቱዓትን እየን፤ ብኣካል እንትረአ ግና፥ ድኹም እዩ፤ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ” ዝብሉ ኣለዉ። እቶም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ርሑቕ እንተለና ብመልእኽቲታትና እንብሎ፥ ብኣካል ኣብኡ ምሳኻትኩም እንተለናውን፥ ከምኡ ኸም እንብል ይፍለጡ። ንሕና ግና ናባኻትኩም ክሳዕ እንበፅሕ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝወሰነልና መጠን እምበር፥ ካብ መጠን ሓሊፍና ኣይንምካሕን ኢና። ቅድሚ ዅሉ፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ዝሰበኽናልኩም ንሕና ኢና፤ ስለዙይ ብኣኻትኩም እንተ ተመካሕና፥ ካብ ዝተወሰነልና ዝሓለፍና ኣይመስለንን። ንሕናስ ካብ ዝተወሰነልና ሓሊፍና፥ በቲ ኻልኦት ዝደኸሙሉ፥ ኣይንምካሕን ኢና። እኳ ደኣ እምነትኩም ክዓቢ እሞ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዝተወሰነልና ኣገልግሎት ክሰፍሕ፥ ተስፋ ንገብር ኣለና። ኣብቲ ኻልኦት ኣቐዲሞም ብዝሰርሑሉ እንተይተመካሕና፥ ካባኻትኩም ሓሊፍና፥ ናብ ካልኦት ሃገራት ወንጌል ክንሰብኽ ኢና። “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ከም ዝብሎ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝንእዶ እምበር፥ እቲ ንባዕሉ ዝንእድ ሰብ ኣይኮነን ተቐባልነት ዝረክብ። ቁሩብ ዘረባ ዕሽነት ክዛረብ እየ እሞ ክትዕገሱኒ ምደለኹ፤ እወ፥ ተዓገሱኒ ደኣ። ብቕንኢ እግዚኣብሄር፥ እቐንአልኩም እየ እሞ፥ ከም ሓንቲ ንፅሕቲ ድንግል ምእንቲ ኸቕርበኩም፥ ንሓደ ሰብኣይ፥ ንክርስቶስ ኣሕፅየኩም ኣለኹ። ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ። ስለ ምንታይ፥ ሓደኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፥ ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸልኩም፥ ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ፥ ካልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፥ ወይ ቅድሚ ሕዚ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፥ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም። ኣነ ኻብዞም ብሉፃት ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ብሓንቲ እኳ ዝንእስ ኣይመስለንን። ክእለት ዘረባ እኳ እንተ ዘይብለይ፥ ፍልጠትስ ኣይጐድለንን። እዙይ ከዓ ብብዙሕ መንገዲ ገሊፅናልኩም ኢና። ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ፥ ርእሰይ ኣትሒተ፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ብዘይ ዋጋ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ፥ ሓጢኣት ገይረ እየ? ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ፥ ካብተን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ሓገዝ ብምቕባለይ፥ ወፂዐየን እየ። ምሳኻትኩም እንተለኹውን ምስ ሰኣንኩ፥ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ እቶም ካብ መቄዶንያ ዝመፁ ኣሕዋት፥ ኵሉ ዘድልየኒ ገይሮምለይ እዮም እሞ። ስለዙይ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ከየፀግመልኩም ክጥንቀቕ እየ። ኣብ ሃገር ኣካይያ፥ እዛ ትምክሕቲ እዚኣ፥ ሓደኳ ኸሕድገኒ ዝኽእል ከም ዘየለ፥ በቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ፥ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ዘየፍቅረኩም ስለ ዝኾንኩ ድየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ? ከም ዘፍቅረኩምስ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጥ እዩ። ግናኸ በቲ ዝምክሑሉ፥ ከማና ዀይኖም ምእንቲ ኽርከቡ፥ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ፥ ምእንቲ ምኽንያት ከስእኖም እየ። ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ ንባዕላቶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ከም ዝኾኑ ኣምሲሎም፥ ብምጥባር ዝሰርሑ፥ ሓሰውቲ ሃዋርያት እዮም። ሰይጣን እኳ ንባዕሉ፥ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ እሞ፥ እዙይ ኣየገርምን እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን፥ ንርእሶም ኣገልገልቲ ፅድቂ እንተ ኣምሰሉ፥ ዘገርም ነገር ኣይኮነን፤ መወዳእታኦም ድማ፥ ከም ግብሮም ክኸውን እዩ። ደጊመውን እብል ኣለኹ፥ ሓደኳ ኸም ዓሻ ኣይቝፀረኒ። ከም ዓሻ እንተ ቘፂርኩምኒ ግና፥ ኣነውን ቁሩብ ምእንቲ ኽምካሕስ፥ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ። ከምዙይ ኢለ ብትምክሕቲ ኽዛረብ እንተለኹ፥ ከም ዓሻ እምበር፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ብዙሓት ስጋዊ ብዝኾነ ዝምክሑ ኻብ ኮነ፥ ኣነውን ክምካሕ እየ። ንስኻትኩም ለባማት እናሃለኹም፥ ነቶም ዓያሹ፥ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣለኹም፤ ሓደ ኸም ባርያ እንተ ቘፀረኩም፥ ሓደ እንተ ዓመፀኩም፥ ሓደ እንተ ተበለፀልኩም፥ ሓደ እንተ ዀርዐልኩም፥ ሓደውን ገፅኩም እንተ ፀፍዐኩም፥ ትዕገስዎ ኣለኹም። ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍረኒ እንተ ኾነ፥ ንሕና ነዞም ነገራት እዚኣቶም ንምግባር፥ ድኹማት ኢና እብለኩም፤ ሓደ ኽምካሕ ዝደፍር እንተ ሃልዩ ግና፥ ኣነውን ክምካሕ እየ። ነዝ ዅሉ ግና፥ ከም ዓሻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ዕብራውያን ድዮም? ኣነውን ዕብራዊ እየ። እስራኤላውያን ድዮም? ኣነውን እስራኤላዊ እየ። ደቂ ኣብርሃም ድዮም? ኣነውን ወዲ ኣብርሃም እየ። ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም? ከም ዕቡድ ደኣ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣነ እበልፆም። ካብኣቶም ሕልፊ ዝፀዓርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተኣሰርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተገረፍኩ፥ ብዙሕ ጊዜውን ኣብ ኣፍ ሞት ዝበፃሕኹ እየ። ሓሙሽተ ጊዜ፥ ነርብዓ ጭጕራፍ ሓደ ጐደል፥ ብኣይሁድ ተገረፍኩ። ሰለስተ ሻዕ፥ ብበትሪ ተዘበጥኩ፤ ሓደ ሻዕ በእማን ተቐጥቀጥኩ። እታ ዝነበርክዋ መርከብ፥ ሰለስተ ሻዕ ተሰብረት። ሓደ ለይትን ሓደ መዓልትን፥ ኣብ ባሕሪ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ጕዕዞ ነበርኩ። ብውሕጅን ብኸተርትን ከዓ ተጨነቕኩ፤ ኣይሁድን ኣህዛብንውን መከራ ኣበርቱዕለይ፤ ኣብ ከተማን፥ ኣብ በረኻን፥ ኣብ ባሕርን፥ ተጨነቕኩ፤ በቶም ሓሰውቲ ኣሕዋት ተጨነቕኩ። ብስራሕ፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ለይቲ ብምስኣን፥ ብጥሜት፥ ብፅምኢ፥ ብፆም፥ ብቝርን፥ ብዕርቃንን ነበርኩ። ኣብ ርእሲ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ዅለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘለኒ ሓልዮት፥ በብመዓልቱ የጨንቐኒ ኣሎ። መን እዩ ዝደኸመ እሞ፥ ኣነ ዘይደኽመሉ? መንከ እዩ ብሓጢኣት ዝወደቐ እሞ፥ ኣነ ዘይጕሂ? እቲ ንዘለኣለም ቡሩኽ ዝኾነ፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣነ ኸም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ደማስቆ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኣርስጣስዮስ ኮይኑ ዘመሓድር ዝነበረ ሹም፥ ክሕዘኒ ደልዩ ነታ ኸተማ የሐልዋ ነበረ። ስለዙይ ኣብ ከፈር ገይሮም፥ በቲ ኣብቲ ቕፅሪ ዝነበረ መስኮት ኣውረዱኒ እሞ፥ ካብ ኢዱ ኣምለጥኩ። ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ሓደ ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብ፥ ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም ዝተወሰደ እፈልጥ። ብስጋኡ ይኹን ካብ ስጋኡ ወፃኢ ኣይፈልጥን እየ፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ። እዝ ሰብ እዙይ ዝተወሰደ፥ ብስጋ ይኹን ኣይኹን ኣይፈልጥን፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ። እዝ ሰብዙይ ናብ ገነት ተወሰደ፤ ኣብኡ ከዓ ኽንገር ዘይከኣል፥ ሰብ ክዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ነገር ሰምዐ። በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ኽምካሕ እየ፤ ብዛዕባ ርእሰይ ግና፥ ብድኻመይ እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ። ክምካሕ እንተ ዝደልስ፥ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ከም ዓሻ ኣይምተቘፀርኩን። ኣነ ግና፥ ሕዚ ሓደኳ ብዛዕባይ፥ ልዕሊ እቲ ኣባይ ዝሪኦን፥ ካባይ ዝሰምዖን ምእንቲ ኸይግምተኒ፥ ሸለል ኢለ እሓድጎ ኣለኹ። ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ፥ ስጋይ ዝወግእ፥ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ። እዙይ ካባይ ንኸርሕቐለይ፥ ንጐይታ ሰለስተ ሻዕ ለመንክዎ። ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ። ከም ዓሻ እየ ዝተዛረብኩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓሻ ኽዛረብ ዝገበርኩምኒ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ክትንእዱኒ ዝግብአኩም ዝነበረስ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ዘይረብሕ እኳ እንተ ኾንኩ፥ ካብቶም “ብሉፃት ሃዋርያት” ኢና ዝብሉ፥ ኣይንእስን እየ። ኣነ ሃዋርያ ኸም ዝኾንኩ ዘረድእ፥ ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን ዘደንቕ ነገራትን፥ ምስ ብዙሕ ትዕግስቲ፥ ኣብ ማእኸልኩም ተገይሩ እዩ። ሓግዙኒ ብምባል፥ ንኣኻትኩም ዘይምፅጋመይ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብቶም ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ዘጕደልኩልኩም እንታይ እዩ? እዚኣ በደል እንተ ደኣ ኾይና፥ ይቕረ በሉለይ። እንሆ ናባኻትኩም ክመፅእ እንትዳሎ፥ እዙይ ሳልሳየይ እዩ፤ ሕዚ እውን ሸኽሚ ክኾነኩም ኣይደልን። ኣነ ንኣኻትኩም እምበር፥ ገንዘብኩም ኣይኮንኩን ዝደሊ። ወለዲ እዮም ንውሉዶም ገንዘብ ከዋህልሉሎም ዝግባእ እምበር፥ ውሉድ ኣይኮኑን ንወለዲ ዘዋህልሉሎም። ኣነ ዅሉ ዘለኒ፥ ህይወተይውን እንተይተረፈ፥ ምእንታኻትኩም ኣሕሊፈ ኽህብ፥ ሕጉስ እየ። ኣብሊፀ ስለ ዘፍቀርኩኹም ዲኹም፥ ኣንኢስኩም ተፍቅሩኒ ዘለኹም? ሸኽሚ ኣይኮንኩኹምን፥ ግና ብጕርሒ ተጣቢበ ዝሓዝኩኹም እምበር። በቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽኩዎም ገይረዶ፥ ተበሊፀልኩም እየ? ንቲቶ ናባኻትኩም ክኸይድ ለሚነዮ ነይረ፤ ምስኡውን ሓደ ሓው ሰዲደ ነይረ፤ ቲቶ ደኾን ተበሊፁልኩም ኮይኑ? ኣነን ንሱን፥ ብሓደ መንፈስን ብሓደ መንገድንዶ፥ ኣይኮንናን እንሰርሕ? ኣብ ቅድሜኹም፥ ንባዕልትና ኽንከላኸል ዝፀናሕናዶ ይመስለኩም? ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ፍቓድ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ ዘለና፤ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትህነፁ እዩ። ክመፅእ እንተለኹ፥ ከምቲ ኣነ ዘይደልዮ ዄንኩም ከይረኽበኩም፥ ንኣይውን ከምቲ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ኾይነ ኸይትረኽቡኒ፥ ምናልባሽውን ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ሻራ፥ ምፅላም ስም፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ህውከት፥ ከይህልወኩም እፈርሕ ኣለኹ። ከምኡውን እግዚኣብሄር ብሰንክኹም ከየሕፍረኒ፥ እዙይ ከዓ እቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገብሩ ዝነበሩ፥ ካብቲ ዝገብርዎ ርኽሰትን ምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብዙሓት እንተይተነስሁ ኸይፀንሑ እሞ፥ ከይጕሂ እፈርሕ ኣለኹ። ካልኣይ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፥ ኣጠንቂቐዮም ከም ዝነበርኩ፥ ሕዚ እውን ኣብ ርሑቕ ኮይነ፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩን፥ ነቶም ካልኦትን፥ ኣጠንቅቖም ኣለኹ። ኣብ ምምፃአይ ንሓደኳ ኣይርህርሀሉን፤ እዙይውን፥ ክርስቶስ ኣባይ ሓዲሩ ኸም ዝዛረብ መረጋገፂ ስለ እትደልዩ እዩ። ክርስቶስ፥ ኣብ መንጎኹም ብሓይሊ እምበር፥ ብድኻም ኣይግለፅን እዩ። ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና። ብእምነት እንተሊኹም፥ ርእስኹም ፈትኑ፤ ርእስኹም መርምሩ፤ ወይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ፥ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም? እዙይ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ዘይብቑዓት ኢኹም። ንሕና ግና፥ ብቑዓት ከም ዝኾንና፥ ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር። ከቶ ኽፉእ ኸይትገብሩ፥ ንእግዚኣብሄር ንልምኖ ኣለና። ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝወደቕና እንተ ተቘፀርና እኳ፥ ንስኻትኩም ሰናይ ምእንቲ ኽትገብሩ እምበር፥ ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝሰዓርና ምእንቲ ኽነርኢ ኣይኮነን፥ እንፅልዮ ዘለና። ንሕና ንሓቂ ዝድግፍ እምበር፥ ንሓቂ ዝፃረር፥ ሓደኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና እሞ። ከምኡውን ንሕና ደኺምና፥ ንስኻትኩም እንተ ጠንኪርኩም ኢና እንሕጐስ። ፀሎትናውን፥ ንስኻትኩም ፍፁማን ምእንቲ ኽትኮኑ እዩ። ምእንቲ እዙይ፥ በቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኮነስ፥ ክሃንፀሉ ዝሃበኒ ስልጣን፥ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸየበርትዐልኩም፥ ገና ርሑቕ እንተለኹ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ንስንሳትኩም ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ። ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሕብረት መንፈስ ቅዱስን፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ካብቲ፥ ካብ ሰብ ወይ ብሰብ ዘይኮነስ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ በቲ ኻብ ሙታን ዘተስኦ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሃዋርያ ክኸውን ዝተሓረየ ጳውሎስን፥ ናብተን ኣብ ገላትያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ጐይታና፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና፥ ብምኽንያት ሓጢኣትና፥ ንንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። እዙይ ግና፥ ገሊኣቶም ሰባት ንወንጌል ክርስቶስ ክጠውዩ ደልዮም እዮም ዝህውኹኹም ዘለዉ እምበር፥ ካልእ ወንጌል ፈፂሙ የለን። ግና ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ መልኣኽ፥ ካብቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝተፈልየ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፥ ሕዚ እውን ደጊመ እብል ኣለኹ፤ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ዝቃረን፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ብኣይ ዝተሰብከ ወንጌል፥ ካብ ሰብ ከም ዘይኮነ ኣፍልጠኩም ኣለኹ። ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገለፀለይ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፤ ካብ ሰብውን ኣይተምሃርክዎን። ኣብቲ ናይ ኣይሁድ እምነት፥ ካብ መብዛሕቶም ደቂ ዓደይን ብፆተይን እበልፅ ነበርኩ። ብዛዕባ ስርዓት ኣቦታተይ ድማ ቐናእ ነበርኩ። እቲ ኣብ ማህፀን እነይ እንተለኹ ዝሓረየኒ፥ ብፀጋኡውን ዝፀውዐኒ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣህዛብ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ንወዱ ኽገልፀለይ ምስ ፈተወ ግና፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይተማኸርኩን። ነቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት ክርኢ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይደየብኩን። እኳ ደኣ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እምበር፤ ደጊመውን ናብ ደማስቆ ተመለስኩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከዓ፥ ንኬፋ እንትርፊ ያእቆብ ሓው ጐይታና፥ ካልእ ካብ ሃዋርያት ንሓደኳ ኣይረአኹን። እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ሓሰት ከም ዘይኮነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ። ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን ከድኩ። እንተ ኾነ፥ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብገፅ ኣይፈልጣንን ነበራ። “እቲ ቐደም ዘሳጕጐና ዝነበረ፥ ብዛዕባ እታ ኸጥፍኣ ዝፈተነ እምነት ሕዚ ይሰብኽ ኣሎ” ዝብል ጥራሕ ይሰምዓ ነበራ። ብዛዕባይውን ንእግዚኣብሄር ኣመስገና። ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ምስ በርናባስ ንቲቶ ሒዘ፥ መሊሰ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ። እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብራእይ ስለ ዝገለፀለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ፥ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ፥ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል፥ ነቶም መራሕቲ ንበይናቶም ገለፅኩሎም። እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶ፥ ግሪካዊ እኳ እንተ ነበረ፥ ክግረዝ ኣይተገደደን። እዙይ ከዓ እቶም ኣሕዋት መሲሎም፥ ኣብ ማእኸልና ሸሊኾም ዝኣትዉ ሰለልቲ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም፥ ባሮት ከይገብሩና እዩ። እቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ንኣኣቶም ንሓንቲ ሰዓት እኳ ኣይተገዛእናሎምን። እቶም ዋናታት ዝበሃሉ፥ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን፤ ኣምላኽ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ፥ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን። እኳ ደኣ ኸምቲ ጴጥሮስ ንግሩዛት ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ዝተውሃቦ፥ ኣነ ኸዓ ነቶም ዘይግሩዛት ኣህዛብ ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ኸም ዝተውሃብኩ ፈለጡ። ከምቲ ንኣይሁድ ሃዋርያ ክኸውን ንጴጥሮስ ዝሰርሐ፥ እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና። ጥራሕ ንድኻታት ክንዝክሮም ሓደራ በሉና፤ እዙይ ከዓ ባዕለይ ዝተግሀሉ ነገር እዩ። ሰባት ካብ ያእቆብ ተልኢኾም ቅድሚ ምምፅኦም፥ ምስቶም ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝኾኑ ኣሕዋት ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ምስ መፁ ግና፥ “ነቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ክግረዙ ኣለዎም” ዝብሉ ኣሕዋት ፈሪሑ፥ ካብኣቶም ተፈለየ። እቶም ዝተረፉ ኻብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ኣሕዋትውን፥ ከም ጴጥሮስ ግብዛት ኮኑ፤ በርናባስ እኳ እንተይተረፈ፥ በቲ ግብዝናኦም ተስሓበ። ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ብቕኑዕ መንገዲ ኸም ዘይተመላለሱ ምስ ረአኹ ግና፥ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፦ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻ፥ ከም ኣይሁድ ዘይኮነስ፥ ከም ኣህዛብ ካብ እትነብር፥ ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ነቶም ኣህዛብ ከም ኣይሁድ ክነብሩ፥ ግዲ ትብሎም ኣለኻ?” በልክዎ። ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ። ንሕና ብክርስቶስ ክንፀድቕ እንደሊ፥ ሓጢኣተኛታት ኴንና እንተ ተረኺብና፥ እምበኣር ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ? ብፍፁም ኣይኮነን! ነቲ ዘፍረስክዎ ደጊመ ዝሃንፆ እንተ ደኣ ኾይነ፥ ንባዕለይ ሕጊ ጠሓሳይ ምዃነይ ኣረጋግፅ ኣለኹ። ንእግዚኣብሄር ህያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር፥ በቲ ሕጊ፥ ንሕጊ ሞይተ ኣለኹሞ። ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ። ኣነስ ንፀጋ እግዚኣብሄር ኣየቃልልን፤ ፅድቂ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ፥ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ። ኣቱም ዘይተስተውዕሉ ሰብ ገላትያ፥ ንሓቂ ኸይትእዘዙ መን እዩ ዝዓዘመኩም? ኢየሱስ ስቑል ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹምዶ ተስኢሉ ኣይነበረን? ካባኻትኩም ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ኣላ፤ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኩም፥ ሕጊ ብምፍፃም ዲኹም ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ብምእማን? ክሳዕ ክንድዙይዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ብመንፈስ ጀሚርኩም፥ ሕዚ ብስጋ ኽትፍፅሙዶ ትደልዩ ኣለኹም? ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ተቐቢልኩምስ፥ ንኸንቱዶ ጌርኩምዎ? እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ዝመልአኩምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ከዓ ተኣምራት ዝገብርን፥ ሕጊ ስለ ዝፈፀምኩም ድዩ ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ስለ ዝኣመንኩም? እምበኣር እቶም ዝኣመኑ ሰባት፥ ደቂ ኣብርሃም ከም ዝኾኑ ፍለጡ። መፅሓፍውን እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ብእምነት ከም ዘፅድቖም ኣቐዲሙ ሪኡ “ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም” እናበለ፥ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ወንጌል ኣብሰሮ። ስለዙይ እቶም ዝኣምኑ ሰባት፥ ምስቲ ዝኣመነ ኣብርሃም ዝተባረኹ እዮም። ሕዚ ግና “ፃድቕ ብእምነት ይነብር” ከም ዝብሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ኸም ዘየለ ርግፅ እዩ። ሕጊ ኣብ እምነት ዝተመስረተ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሕጊ “እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዝፍፅም፥ ብእኡ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ” ይብል። “ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቐለ፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ክንዳና ኸም ዝተረገመ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ናይ ሕጊ መርገም ተቤዘወና። እዙይ ከዓ እቲ በረኸት ኣብርሃም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኣብ ኣህዛብ ምእንቲ ኽወርድ፥ ንሕና ኸዓ ተስፋ መንፈስ [ቅዱስ]፥ ብእምነት ምእንቲ ኽንቕበል እዩ። ኣሕዋተይ፥ ከም ልማድ ሰብ እብል ኣለኹ፤ ሰብ እኳ ዝኣተዎ ኺዳን፥ ከፍርስ ወይ ክውስኸሉ ኣይኽእልን። እቲ ተስፋ፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እዩ ተውሂቡ ዝነበረ። ንብዙሓት ከም ዝብል “ነዝርእትኻ” ኣይበለን፤ እንተ ኾነ ንሓደ ኸም ዝብል “ንዘርእኻ” በለ እምበር፤ ንሱ ኸዓ ክርስቶስ እዩ። እቲ ኽብሎ ዝደሊ ዘለኹ እዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት፥ ሕጊ መፀ። ግና እዝ ሕጊ እዙይ፥ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኽገብሮ ኢሉ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ቀደም ዘፅንዖ ኺዳን፥ ኣየፍርሶን እዩ። እቲ ዝውረስ፥ ብሕጊ እንተ ዝኸውንስ፥ ደጊም ብተስፋ ኣይምኾነን ነይሩ። እግዚኣብሄር ግና፥ ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሃቦ። እቲ ዓራቒ ኣብ መንጎ ኽልተ ወገን እምበር፥ ንሓደ ኣይኸውንን፤ እግዚኣብሄር ግና ሓደ እዩ። እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ፥ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ኽወሃብ፥ መፅሓፍ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ። ስለዙይ ከዓ ብእምነት ምእንቲ ኽንፀድቕስ፥ ናብ ክርስቶስ ከብፅሐና፥ እቲ ሕጊ ሞጕዚት ኮነና። እምነት ምስ መፀት ግና፥ ደጊም ትሕቲ ሞጕዚት ምዃን ኣየድልየናን። ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ኵልኻትኩም ውሉድ እግዚኣብሄር ኢኹም። ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ኵልኻትኩም፥ ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም። ኵልኻትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢኹም እሞ፥ በዙይ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪካዊ፥ ባርያ ወይ ጭዋ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን። እምበኣር፥ ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም፥ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፤ ከምቲ ተስፋውን፥ ወረስቲ ኢኹም። ኣነ ዝብሎ እዙይ እዩ፦ እቲ ወራሲ ኣብ ጊዜ ህፃንነቱ፥ ናይ ኵሉ ጐይታ እንተ ኾነ እኳ፥ ካብ ባርያ ኣይፍለን። ክሳዕ እቲ ኣቦኡ ዝወሰነሉ ጊዜ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሓለውትን መገብትን እዩ። ከምኡውን ንሕና ህፃናት እንተለና፥ ኣብ ትሕቲ ኣተሓሳስባ ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና። ጊዜኡ ምስ በፅሐ ግና፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኽቢዘው፥ ንሕናውን ናይ ውሉድነት ስልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይቲ እውን ተወለደ፤ ንሕጊ እውን ተኣዛዚ ኾነ። ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ። ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ድማ፥ ብክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ወራሲ ኢኻ። ሕዚ ግና ንእግዚኣብሄር ምስ ፈለጥኩምዎ፥ ብሕልፊ እኳ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ምስ ፈለጠኩም፥ ከመይ ኢልኩም ድኣ፥ ናብቲ ድኹምን ዘይጠቅምን ስርዓት ዓለም ትምለሱ ኣለኹም? መሊስኩምዶ ንኣኣቶም ባርያ ዄንኩም ክትግዝኡ ትደልዩ ኣለኹም? ንስኻትኩም፥ ፍሉያት መዓልቲታትን ኣዋርሕን ዘመናትን ዓመታትን ተኽብሩ ኣለኹም። ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝመሰልኩ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ክትመስሉ እልምነኩም ኣለኹ፤ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን። ብመጀመርታ ጊዜ ወንጌል ዝሰበኽኩልኩም፥ ካብ ድኻም ስጋ ዝተልዓለ ኸም ዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ሕማመይ ንኣኻትኩም ፈተና እኳ እንተ ነበረ፥ ኣይነዓቕኩምንን፤ ወይ ኣይተፀየፍኩምንን። እኳ ደኣ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር። እቲ ምሕጓስኩም ደኣ ኣበይ ኣሎ? ዝከኣል ነይሩ እንተ ዝኸውን፥ ዓይንኹም እኳ እንተይተረፈ፥ ኣውፂእኹም ምሃብኩምኒ ኔርኩም ኢለ፥ ባዕለይ እምስክረልኩም ኣለኹ። እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ፥ ፀላኢ ኾይነኩም እየ? ንፅቡቕ ደኣ ይኹን እምበር፥ ንሰብ ምሕላይ ሰናይ እዩ፤ እዙይ ግና ኣነ ምሳኻትኩም እንተለኹ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኵልሻዕ ክኸውን ኣለዎ። ኣቱም ደቀይ፥ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝቕረፅ፥ መሊሰ ንኣኻትኩም፥ ከም ሕማም ሕርሲ እፀዓር ኣለኹ። እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝብሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ምሳኻትኩም እንተ ዝህሉ ፅቡቕ ነይሩ፤ ሕዚ ግና ዝብሎ ጠፊኡኒ ኣሎ። ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ንንበር እትብሉ ዘለኹም፥ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም? እስኪ ንገሩኒ። ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት፥ ሓደ ኻብታ ባርያ፥ ሓደ ኸዓ ኻብታ እመቤት ከም ዝወለደ ተፅሒፉ እዩ። ወዲ እታ ገረድ፥ ከም ናይ ስጋዊ ልማድ ተወለደ፤ ወዲ እታ እመቤት ግና፥ በቲ ተውሂቡ ዝነበረ ተስፋ ተወለደ። እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ክልተ ኺዳን እየን ዘመልክታ። ብኣጋር ዝተመሰለት፥ እታ ንባርነት እትወልድ፥ ናይ ደብረ ሲና ኺዳን እያ። ኣጋር ከዓ ኣብ ሃገር ዓረብ ዘላ፥ ደብረ ሲና እያ እተመልክት። ንሳ ምሳሌ ናይታ ሕዚ ምስ ደቃ፥ ኣብ ባርነት ዘላ ኢየሩሳሌም እያ። እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ግና፥ ብነፃነት እትነብር እያ፤ ንሳ ኸዓ እኖና እያ። ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ። ኣሕዋተይ፥ ንሕና ኸም ይስሓቅ ደቂ ተስፋ ኢና። ግና ኸምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ ዝተወለደ፥ ነቲ ብናይ መንፈስ ዝተወለደ ዘሳጐጎ፥ ሕዚ እውን ከምኡ እዩ። እቲ ፅሑፍ ግና “ወዲ እታ ባርያ፥ ምስ ወዲ እታ እመቤት ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ” ይብል። ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ደቂ እታ እመቤት እምበር፥ ደቂ እታ ባርያ ኣይኮንናን። ኵሉ እቲ ዝግረዝ ሰብ ከዓ፥ ነቲ ሕጊ ብምሉኡ ኽፍፅሞ ግቡኡ ኸም ዝኾነ፥ ደጊመ እምስክር ኣለኹ። ኣቱም፥ ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ፥ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኩም ኢኹም። ንሕና ግና፥ ብመንፈስ ብእምነት ክንፀድቕ ተስፋ ጌርና ንፅበ ኣለና። ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ። እዛ ምሕባል እዚኣ፥ ካብቲ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር ኣይመፀትን። ውሑድ ማይ ብሒቝ፥ ንዅሉ እቲ ብሒቝ የብኵዖ እዩ። ካብዙይ ዝተፈለየ ኻልእ ከም ዘይትሓስቡ፥ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና፥ ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ። ኣሕዋተይ፥ ኣነ “ግርዘት የድሊ እዩ” እናበልኩ፥ ዝሰብኽ እንተ ኾይነ ደኣ፥ ንምንታይ የሳጕጉኒ ኣለዉ? እቲ ናይ መስቀል ዕንቅፋት ከዓ ምተወገደ ነይሩ። እቶም ዝህውኹኹም ሰባት፥ እንተ ደልዮም ይሰለቡ። ሕጊ ብምሉኡ ኣብቲ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ትእዛዝ፥ ተጠቕሊሉ ኣሎ እሞ። ንስንሳትኩም እንተ ተናኸስኩምን፥ እንተ ተባላዕኹምን ግና፥ ከይትዋድኡ ተጠንቀቑ። ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመሪሕኩም ግና፥ ትሕቲ ሕጊ ኣይኮንኩምን። ተግባር ስጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ስድነት፥ ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቈላ፥ ፅልኢ፥ ክርክር፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ንባዕልኻ ምፍታው፥ ምፍልላይ፥ መናፍቕነት፥ መንቀኝነት፥ ምቕታል፥ ስኽራን፥ ስድነት ዘለዎ ጐይላ፥ ነዙይ ዝመስል ኵሉን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፥ እቶም ነዙይ ዝመስል ዝገብሩ ዅሎም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርሱን እዮም። ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥ ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ። ነዝ ኸምዙይ ዝመሰለ፥ ዝኽልክል ሕጊ የለን። እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም። ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ። ንስንሳትና እናተነቓቐፍናን እናተቐናናእናን፥ ብኸንቱ ኣይንመካሕ። ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም። ሓደ ሰብ፥ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ንባዕሉ የታልል። እንተ ኾነ፥ ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ስራሕ ይመርምር፤ ሽዑ ብናይ ብፃዩ ዘይኮነ፥ ብናይ ባዕሉ ስራሕ ክምካሕ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ፆር፥ ክፀውር ይግባእ እዩ እሞ። ኣይትስሓቱ፤ እግዚኣብሄር ኣይዕሾን እዩ፤ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓፅድ። እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ። እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ። እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር። እቶም ብስጋ ኽምክሑ ዝደልዩ ሰባት፥ ክትግረዙ ግዲ ይብሉኹም ኣለዉ፤ ነዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ኸዓ፥ ብሰንኪ መስቀል ክርስቶስ፥ ከይስደዱ ኢሎም እዮም። ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኽምክሑ፥ ክትግረዙ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፥ እቶም ግሩዛት እኳ ባዕልቶም፥ ንሕጊ ኣይሕልዉን እዮም። ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ። ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ዝጠቕሞ የብሉን። ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን። ኣሕዋተይ፥ ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን። ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ እሙናትን፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና። ስለ ዘፍቀረና፥ ብፅቡቕ ፍቓዱ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ውሉድ ክንከውን፥ ኣቐዲሙ መረፀና። እዙይ ከዓ፥ በቲ ዘፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ኽቡር ፀጋ፥ ምእንቲ ኽምስገን ኢሉ እዩ። ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድሕነት፥ ከምቲ ሃብቲ ፀጋኡ ድማ፥ ስርየት ሓጢኣት ረኸብና። ንሱ ነዝ ፀጋ እዙይ፥ ብዅሉ ጥበብን ፍልጠትን፥ ኣብ ልዕሌና ኣብዝሖ። ሰናይ ፍቓዱ ኾይኑ ኸዓ፥ ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ኣቐዲሙ ዝወሰኖ፥ ናይ ፍቓዱ ምስጢር ኣፍለጠና። እዙይ ከዓ፥ እቲ ምልኣት ዘመናት ምስ በፅሐ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ፥ ምእንቲ ኽጥቕለል እዩ። ንስኻትኩምውን፥ ነቲ ናይ ምድሓንኩም ቃል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል ምስ ሰማዕኹም፥ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም። ንኽብሩ ምስጋና ክኸውን፥ እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ዅሎም ክሳዕ ዘድሕኖም፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ነቲ ኽንረኽቦ ዘለና ርስቲ፥ ዕርቡን እዩ። ኣነውን እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም እምነትን፥ ንዅሎም ቅዱሳን ዘለኩም ፍቕርን፥ ካብ ዝሰምዕ ጀሚረ፥ ኣብ ፀሎተይ እናዘከርኩኹም፥ ምእንታኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ኣብኲረ ኣይፈልጥን። ነቲ ኣቦ ኽብሪ፥ ኣምላኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእኡ ብዝበለፀ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላፅን፥ ምእንቲ ኽህበኩም፥ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፥ ናይቲ ዝፀውዐኩም ተስፋ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ንቕዱሳን ዘተስፈዎም ክቡር ርስቲ፥ ክንደየናይ ብዙሕ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽተስተውዕሉ፥ እፅሊ ኣለኹ። ኣባና ኣብ እንኣምን ከዓ፥ እቲ ኽግመት ዘይከኣል ዕቤት ሓይሉ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እፅሊ ኣለኹ። እዝ ኣባና ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሉ ኸዓ፥ እቲ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስአሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ዘቐመጠሉን ሓይሉ እዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለምውን፥ ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ስልጣንን ሓይልን ምልክን ሸይሙ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፅዋዕ ስም ሃቦ። ንዅሉ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ። ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩውን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ። ንሳ ኣካሉ እያ፤ ንኣኣን ንዅሉን ዝመልእ፥ ናቱ ምልኣቱ እያ። ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታን ነበርኩም። ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም። ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና። ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ። እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና። እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ። ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን። ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን። ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና። እምበኣር ንስኻትኩም፥ ቀደም ብትውልድኻትኩም ኣህዛብ ዝነበርኩም፥ እቶም “ግሩዛት” በታ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘት ብምምካሕ፥ “ዘይግሩዛት” ኢሎም ይፅውዑኹም ከም ዝነበሩ ዘክሩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፥ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸዓ፥ ብዘይ እግዚኣብሄር እትነብሩ፥ ተስፋ ዘይብልኩም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ሕዚ ግና፥ ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም። ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ፅልኢ መንደቕ ብስጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ፥ ንሱ ሰላምና እዩ እሞ። ነቶም ክልተ ዝነበሩ፥ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽገብሮም፥ ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ስርዓቱን፥ ብስጋኡ ስዒሩ ሰላም ገበረ። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት፥ ነቲ ፅልኢ ደምሰሶ፤ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከዓ፥ ብመስቀሉ ምስ እግዚኣብሄር ኣተዓረቖም። መፂኡ ኸዓ፥ ንኣኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩምን፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩን ሰላም ኣብሰረ። ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ። እቲ ህንፃ ብምሉኡ፥ ዝተቐደሰ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፥ ብጐይታ እናተገጣጠመ ይዓቢ። ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም። ስለዙይ ኣቱም ኣህዛብ፥ ኣነ ጳውሎስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ። ብርግፅ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንጥቕምኹም ዝሃበኒ ናይ ኣገልግሎት ፀጋ፥ ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም። ከምቲ ኣቐዲመ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ዝነበርኩ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ። ነቲ ዝፀሓፍኩዎ እንትተንብቡ፥ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘለኒ ፍልጠት፥ ክተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዙይ ከምቲ ሕዚ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነቢያቱን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገለፀሎም፥ ነቶም ቀዳሞት ትውልዲ ኣይተገለፀሎምን። እዝ ምስጢር እዙይ ከዓ፥ ኣህዛብ ብወንጌል ምስ እስራኤል ሓቢሮም ወረስቲ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ፥ መኻፍልቲ ተስፋ ኸም ዝኾኑ እዩ። ካብ ኵሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ፥ ንኣህዛብ ክሰብኽ፥ እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ። እቲ ኻብ ዘለኣለም፥ ኣብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይዝ ምስጢር እዙይ ኣገልግሎት፥ ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርህ ተውሃበኒ። እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ። ንሕናውን ብእኡ ብክርስቶስ ብምእማን፥ ብትብዓትን ብእምነትን፥ ምእንቲ ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ክንኽእል እዩ። ስለዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ዝበፅሐኒ መከራ፥ ክብርኹም ስለ ዝኾነ፥ ብመከራይ ተስፋ ኸይትቘርፁ እልምነኩም ኣለኹ። ምእንቲ እዙይውን፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም፥ ኣቦ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ኣብ፥ እምብርከኽ ኣለኹ። ከምቲ ብዝሒ ኽብሩ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንውሽጣዊ ሰብነትኩም፥ ብሓይሊ ምእንቲ ኸበርትዐኩም እፅሊ ኣለኹ። ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ። እምበኣር፥ በቲ ኣብ ውሽጥና ዝሰርሕ ሓይሉ ገይሩ፥ ካብቲ ዅሉ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን፥ እምብዛ ኣብዚሑ ኽገብር ንዝከኣሎ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ትውልድታት፥ ብቤተ ክርስቲያንን ብኢየሱስ ክርስቶስን ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ብሓቂ ትሑታትን፥ ለዋሃትን ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ድማ፥ ዕጉሳት ኩኑ። ነቲ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሕብረት፥ ብመእሰሪ ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ፀዓሩ። ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተፀዋዕኹም፥ ሓደ ሰብነት፥ ሓደ መንፈስ ኣሎ። ሓደ ጐይታ፥ ሓንቲ እምነት፥ ሓንቲ ጥምቀት፥ ከምኡውን እቲ ልዕሊ ዅሉን፥ ብዅሉን፥ ኣብ ኵሉን፥ ኣቦ ዅሉን ዝኾነ፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣሎ። ንደቂ ሰብ ከዓ ውህብቶ ሃበ” ዝብል። እቲ ናብ ታሕተዋይ ዝወረደ ድማ፥ ንዅሉ ምእንቲ ኽመልእ፥ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝዓረገ፥ ንሱ እዩ። ንሱ ኸዓ ንገሊኣቶም ሃዋርያት፥ ንገሊኣቶም ነቢያት፥ ንገሊኣቶም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኣቶም ጓሶት [ምእመናን] ንገሊኣቶም ድማ፥ መምህራን ገይሩ ውህብቶ ሃበ። እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥ ንሕና ኸዓ ዅልና ብእምነት ሓደ ዄንና፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ፈሊጥና ምሉእ ሰብ ብምዃን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍፁምነት ክሳዕ እንበፅሕ እዩ። እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመፅእ፥ ናይ ትምህርቲ ንፋስ፥ ከም ህፃናት ንየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን። እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ እናተዛረብና፥ ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ። ብክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ እቲ ሰብነት ብምሉኡ፥ በቲ ዝተውሃቦ መገጣጠሚ ተተሓሒዙን ተጠሚሩን፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ፥ ናይ ባዕሉ ስራሕ እናገበረ፥ ብፍቕሪ ይዓብን ይህነፅን። ንሳቶም ብሰንኪ ትረት ልቦምን፥ ብሰንኪ እቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን፥ ኣእምሮኦም ፀልሚቱ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህቦ ህይወት ርሒቖም እዮም። ንሳቶም ደንዚዞም እዮም፤ ርኽሰት ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸዓ፥ ንባዕላቶም ንስጋዊ ድልየቶም፥ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም። ንስኻትኩም ግና፥ ንክርስቶስ ከምዙይ ጌርኩም ኣይተምሃርኩምዎን። እንተ ደኣ ብሓቂ ሰሚዕኹምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ኸዓ እንተ ደኣ ተምሂርኩም ኴንኩም፥ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘሎ፥ ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም፥ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፤ ብመንፈስ ኣእምሮኹም ተሓደሱ። ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፥ ብፅድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ፥ ልበስዎ። ተቘጥዑ፤ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ ቍጥዓኹም፥ ፀሓይ ኣይትዕረብኩም፤ ንሰይጣን እቲ ሰራቒ ዝነበረ፥ ደጊም ኣይስረቕ፤ እኳ ደኣ፥ ነቲ ዝፀገሞ ዘማቕሎ ምእንቲ ኽህልዎስ፥ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ ደኣ፥ በእዳዉ ይፅዓር እምበር። እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፥ ከከምዘድልዮም ክሃንፅ ዝኽእል፥ ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ ዘይግባእ ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ። ንመዓልቲ ድሕነትኩም እተሓተምኩምሉ፥ ነቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣይተሕዝንዎ። ኵሉ ምረትን፥ ንደትን፥ ቍጥዓን፥ ሁከትን፥ ፀርፍን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ። እኳ ደኣ ንእግዚኣብሄር ምስጋና እምበር፥ ዘሕንኽ ወይ ዘነውር ዘረባ ወይ ዋዛ፥ ኣባኻትኩም ክስማዕ ኣይግባእን እዩ። ዘማዊ፥ ርኹስ፥ ወይ ጣዖት ከም ምምላኽ ዝቝፀር ስስዐ ዘለዎ ሰብ፥ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን እግዚኣብሄርን፥ እምበኣር ምስኣቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም። ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ። ፍረ ብርሃን፥ ኣብ ኵሉ ሰናይን፥ ቅንዕናን ሓቅን እዩ፥ ዝርከብ እሞ። እምበኣር እቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ፥ እንታይ ከም ዝኾነ መርምሩ። ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዝገብርዎ፥ ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍር እዩ። ኵሉ ነገር እንተ ደኣ ናብ ብርሃን ቀሪቡ ግና፥ ይረአ፤ ኵሉ እቲ ዝረአ ብርሃን እዩሞ። ክርስቶስ ከዓ ኸብርሀልካ እዩ” ዝተብሃለ። እምበኣር ተጠንቀቑ፤ እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ፥ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፥ ከም ለባማት ንበሩ። ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ። ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ። ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ። ኣትን ኣንስትውን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርክን፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፥ ሰብኣይ ከዓ ርእሲ ሰበይቱ እዩ። ክርስቶስ ድማ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ መድሕን እዩ እሞ። ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እትእዘዞ፥ ከምኡ ድማ ኣንስቲ፥ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም። ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘፍቀራ፥ ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን። ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ፥ ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ። ከምኡ ኸዓ ኣቱም ሰብኡት፥ ነተን ኣንስትኹም፥ ከም ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር፥ ንባዕሉ እዩ ዘፍቅር። ከምቲ ክርስቶስ፥ ንቤተ ክርስቲያን ዝከናኸና፥ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይከናኸኖን እምበር፥ ሰብነቱ ዝፀልእ ሓደኳ የለን። ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና። “ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይሓብር፤ ክልቲኦም ከዓ፥ ሓደ ኣካል ይኾኑ።” እዝ ምስጢርዙይ ዓብዪ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያንን፥ እምስሎ ኣለኹ። ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፤ ሰበይቲውን፥ ንሰብኣያ ተኽብሮ። ሰናይ ክኾነልካ፥ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር። ንሳውን ናይ ተስፋ ቓል ዘለዋ፥ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እያ። ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም። ፈቓድ እግዚኣብሄር ከም ዝገብሩ፥ ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ እምበር፥ ንሰብ ከም እተሐጕሱ፥ ንይምሰል ከም እትግዝኡ ኣይትኹኑ። ንሰብ ዘይኮነስ፥ ንጐይታ ኸም እትግዝኡ፥ ብትግሃትን ብሰናይ ድልየትን ተገዝኡ። ኣገልጋሊ ኾነ፥ እቲ ተገልጋሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዓስቡ ኸም ዝቕበል ፍለጡ። ንስኻትኩምውን ኣቱም ጐይቶት፥ ምፍርራሕ ሓዲግኩም፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ። ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን። ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ። እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ሰላም ወንጌል ብምድላው፥ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ብምእታው፥ ተዳሊኹም ቁሙ። ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዝብል ኵሉ ፍላፃታት ኽተጥፍኡሉ እትኽእሉ፥ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ። ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ። ምእንታይውን፥ ክዛረብ እንተለኹ፥ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር፥ ቃል ክወሃበኒ ፀልዩለይ። ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ፥ ምእንታኡ ኸምቲ ዝግብአኒ፥ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ፀልዩለይ። ሕዚ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለኹን፥ እንታይ ከም ዝገብርን ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ፍቑር ሓወይን ብጐይታ ኸዓ፥ እሙን ኣገልጋልን ዝኾነ ቲኪቆስ፥ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ። ናባኻትኩም ዝሰደድክዎውን፥ ብዛዕባና ዅሉ ፈሊጥኩም፥ ልብኹም ምእንቲ ኽፀናናዕ ኢለ እየ። ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ነቶም ኣሕዋትና ይኹን። ነቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘየቋርፅ ፍቕሪ ዘፍቅሩዎ ዅሎም፥ ፀጋ ይኹነሎም። ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ኵልሻዕ ንኣኻትኩም ክዝክር እንተለኹ፥ ንኣምላኸይ አመስግኖ። ኣብ ኵሉ ፀሎተይ፥ ምእንቲ ዅልኻትኩም ብሓጐስ እፅሊ ኣለኹ። ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ። እቲ ኣብ ህይወትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ። ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ። ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ንዅልኻትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ። ፍቕርኹም፥ ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን፥ ብዝበለፀ እናበዝሐ ምእንቲ ክኸይድ እፅሊ ኣለኹ። እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ። ስለዙይውን፥ ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ኸም ዘለኹ፥ በቶም ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ወታደራትን፥ በቶም ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ። ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ፥ ብምኽንያት ምእሳረይ ኣብ ጐይታ ፀንዑ፤ ብዘይ ፍርሓት፥ ቃል እግዚኣብሄር ንምንጋርውን፥ ካብ ቅድም ዝበለፀ ትብዓት ረኸቡ። ገሊኣቶም ብቕንእን ብባእስን፥ ገሊኣቶም ግና ብሰናይ ፈቓድ፥ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። እዞም ዳሕረዎት፥ ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ። እቶም ቀዳሞት ግና፥ ኣብ ርእሲ ምእሳረይ፥ ተወሳኺ መከራ ኸምፅኡለይ ደልዮም፥ ብቕንዕና ዘይኮነስ፥ ብሻራ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ። ይኹን ደኣ እምበር፥ እንተስ ብተንኰል እንተስ ብቕንዕና፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፤ በዙይ ድማ እሕጐስ ኣለኹ። ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ፥ ብፀሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንድሕነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ፥ እዙይ ሃረርታይን ተስፋይን እዩሞ፥ ብምንም ኣይሓፍርን እየ። ሕዚ እውን እንተ ኾነ፥ ከምቲ ዅልሻዕ፥ እንተስ ብህይወት እንተስ ብሞት፥ ንክርስቶስ ብስጋይ ከኽብሮ እየ። ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፤ ሙማት ድማ፥ ረብሓይ እዩ እሞ። ብህይወት እንተ ደኣ ኽነብር ኮይነ፥ ገና ፍረ ዘለዎ ስራሕ ኣለኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርፅ ግና፥ ኣይፈልጥን እየ። በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ። እንተ ኾነ ግና ብህይወት ምፅናሐይ፥ ንኣኻትኩም ኣድላዪ እዩ። በዙይ ብምትእምማን፥ ብእምነት ክትዓብዩን ክትሕጐሱን፥ ብህይወት ፀኒሐ ምሳኻትኩም ከም ዝኸውን፥ ተረዲአ ኣለኹ። መሊሰ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብኣይ ምኽንያት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም ሓጐስ ክበዝሐልኩም እዩ። ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል፥ ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን። በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድሕነት፥ ርኡይ ምልክት እዩ እሞ። እቲ ተውሂቡኩም ዘሎ ፀጋ ኸዓ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንታኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ። ስለዙይ ናይቲ ኣባይ ዝረአኹምዎ፥ ሕዚ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ገድሊ ይበፅሐኩም ኣሎ። እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም፥ ምትብባዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ናይ ፍቕሪ ምፅንናዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት እንተ ሃልዩኩም፥ ለውሃትን ርህራሀን እንተ ሃልዩኩም፥ ብሓንቲ ሓሳብ ብምስምማዕ፥ ብሓንቲ ፍቕሪ፥ ብሓደ ልቢ ብምስራሕ፥ ንሓጐሰይ ምሉእ ግበሩለይ። ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ። ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ። ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን። ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ። ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ። ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ። ምእንቲ ኽምብርከኽ፥ ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ። እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ፥ ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ። ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ። ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ምትህልላኽን ግበርዎ። እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም። እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ። ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ደስ ይበልኩም፤ ምሳይውን ተሓጐሱ። ሃለዋትኩም ሰሚዐ፥ ኣነውን ክሕጐስን ደስ ክብለንን፥ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክልእኾ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ተስፋ እገብር ኣለኹ። ንፅቡቕኩም ዝሓልን ዝግደስን፥ ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይንሞ። ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር፥ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም። ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም። እምበኣር ኵነታተይ ሪአ፥ ንእኡ ብቕልጡፍ ክሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ። ኣነ ባዕለይውን፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽመፅእ፥ ብጐይታ ተስፋ እገብር ኣለኹ። ነቲ ሓወይ፥ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ዝተሰለፈ ናይ ክርስቶስ ወታደር ብምዃን ከዓ ብፃየይ፥ ብዘድልየኒ ኽድግፈኒ ዝለኣኽኩምዎ ኣፍሮዲጡውን፥ መሊሰ ኽልእኸልኩም ግዲ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ። ንሱ ብዙሕ ናፊቑኩም ኣሎ፤ ምሕማሙ ኸም ዝሰማዕኹም ስለ ዝፈለጠ ኸዓ፥ ተጨኒቑ ኣሎ። ብርግፅ ሓሚሙ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ፤ እግዚኣብሄር ግና ራህርሀሉ፤ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፥ ንኣይውን እዩ እምበር፥ ንእኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዝራህርሀሉ። ስለዙይ መሊስኩም ምስ ረአኹምዎ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፥ ሓዘነይውን ምእንቲ ኽቐልል፥ ቀልጢፈ እሰዶ ኣለኹ። እምበኣር ብጐይታ፥ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን፥ ኣኽብርዎም። ንኣይ እትገብርዎ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ኽምልእ፥ ብዛዕባ ስራሕ ክርስቶስ፥ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ፥ በፂሑ ነይሩ እዩ እሞ። ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፤ ካብ ገበርቲ ኽፉእ ተጠንቀቑ፤ ግሩዛት ኢና ኻብ ዝብሉ ተጠንቀቑ። ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት። ትምክሕቲ ዘድሊ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብዙሕ ኣለኒ። ሓደ፥ በቲ ኣብ ሰብነት ዝግበር ኣፍኣዊ ስርዓት፥ ዘመክሕ ዘለዎ እንተ መሰሎውን፥ ኣነ ኻብቲ ናቱ ዝበለፀ ኣለኒ። ኣነ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ዝተገረዝኩ፥ ካብ ዓሌት እስራኤል፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝተወለድኩ፥ ካብ ዕብራውያን ዕብራዊ እየ፤ ሕጊ ብምፍፃምውን ፈሪሳዊ እየ፤ ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት፥ ኣሳጓጒ ቤተ ክርስቲያን፥ ሕጊ ብምፍፃም ንዝርከብ ፅድቂ ኸዓ፥ ነቐፌታ ዘይብለይ እየ። እንተ ኾነ፥ ነዝ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ቘፀርክዎ። እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ። እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ። ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ፥ ኣብ ትንሳኤ ሙታን ክበፅሕ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ። ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ናተይ ከም ዝገበርክዎ ገይረ፥ ንርእሰይ ኣይግምትን እየ፤ ሓደ ዝገብሮ ነገር ኣሎ፦ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኹ፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እመጣጠር ኣለኹ፤ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ፥ ናብቲ ዓስቢ ኣሸናፊነት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሄር መፀዋዕታ እጐዪ ኣለኹ። እምበኣር ብመንፈሳዊ ህይወት ዝጠንከርና ዅልና፥ እዙይ ንሕሰብ፤ ብዝኾነ ነገር ዝተፈለየ ሓሳብ እንተ ሃልዩኩም፥ ንእኡውን እግዚኣብሄር ክገልፀልኩም እዩ። ሕዚ ግና በቲ በፂሕናዮ ዘለና፥ ብእኡ ፀኒዕና ንንበር። ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝነገርኩኹም፥ ሕዚ ኸዓ እናነባዕኹ ዝነግረኩም ዘለኹ፥ ብዙሓት ፀላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ። ንሕና ግና፥ ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ፤ ካብኡ ንዝመፅእ፥ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ። ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ልውህናኹም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፤ ጐይታ ቐረባ እዩ። ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ። ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ። ነቲ ዅሉ ኻባይ ዝተምሃርኩምዎን፥ ዝተቐበልኩምዎን፥ ዝሰማዕኹምዎን፥ ኣባይውን ዝረአኹምዎን፥ ግበርዎ፤ ኣምላኽ ሰላም ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ መሊስኩም ክትሓስቡለይ ስለዝተለዓዓልኩም፥ ብጐይታ ኣብዚሐ እሕጐስ ኣለኹ። ምችዊ እዋን ኣይረኸብኩምን እምበር፥ ቅድምውን ተሓስቡለይ ኔርኩም ኢኹም። እዙይ ዝብል ዘለኹ፥ ስለ ዝሰኣንኩ ኣይኮነን፤ ዘለኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየሞ። ትሕት ምባል እፈልጥ፤ ሕልፍን ትርፍን ዘለካ ምዃን እፈልጥ፤ ኣብ ፅጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት፥ ብሃብቲ ኾነ ብድኽነት፥ ኣብ ኵሉን ብዅሉን፥ ናይ ምንባር ምስጢር ተምሂረ ኣለኹ። በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ። ኣብቲ መከራይ ተኻፈልቲ ብምዃንኩም ግና ፅቡቕ ገበርኩም። ኣቱም ሰብ ፊልጵስዩስ፥ መጀመርታ ንስብከት ወንጌል ካብ መቄዶንያ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንትርፊ ንስኻትኩም፥ ብምሃብ ይኹን ብምቕባል፥ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ምሳይ ከም ዘይተሓባበረት፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኣብ ተሰሎንቄ እንተለኹውን፥ ሓደ ኽልተ ጊዜ፥ ዘድልየኒ ረድኤት ሰዲድኩምለይ ኔርኩም ኢኹም። ኣነስ እቲ ፍረ ልግስናኹም፥ ንኣኻትኩም ክበዝሐልኩም ኢለ እየ እምበር፥ ውህብቶኹም ደልየ ኣይኮንኩን። ሕዚ ግና ዝኣክል፥ እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ፥ ምዑዝ ዝሽታኡ፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ ምስ ተቐበልኩ፥ መሊኡለይ ኣሎ። ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ፥ ብኽብሪ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኵሉ ድልየትኩም ክመልአልኩም እዩ። ንኣምላኽናን ኣቦናን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ንዅሎም ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ኵሎም ቅዱሳን፥ ብሕልፊ እኳ፥ እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ቄሳር ዘለዉ ዅሎም፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ ኻብ ዝኾነ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኣሕዋትናን፥ ኣብ ቈላስይስ ዘለዉ ቕዱሳንን፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ይኹነልኩም። ብዛዕባ እታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትኩም እምነትን፥ ንዅሎም ምእመናን ዘለኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም እንትንፅሊ፥ ንእግዚኣብሄር፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነመስግኖ ኣለና፤ እቲ ቓል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል፥ ቅድሚ ሕዚ ናባኻትኩም ምስ መፀ፥ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኹም ኔርኩም። ስለዙይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ኣብቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ እዩ። ከምቲ ወንጌል ኣብ ኵሉ ዓለም ፍረ የፍርን ይጋፋሕን ዘሎ፥ ካብታ ፀጋ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኹምላን፥ ሓቂ ምዃና ዝተረዳእኹምላን መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣባኻትኩምውን ፍረ የፍርን ይሰፍሕን ኣሎ። እቲ ፍቑር መሳርሕትና ኤጳፍራስ እዩ፥ ነዙይ ዝመሃረኩም። ንሱ፥ ክንዳኻትኩም ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዘለኩም ፍቕሪውን ዝነገረና፥ ንሱ እዩ። ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና። በቲ ኽቡር ሓይሉ፥ ብዙሕ ትዕግስትን ፅንዓትን ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፥ በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን፥ ብብርሃን ክንሳተፍ ዘብቅዐና ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ክተመስግኑ ንፅሊ ኣለና። ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና። ንሱ ብደሙ ተቤዘወና፥ እዙይውን ስርየት ሓጢኣት እዩ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ፥ ዝረአን ዘይረአን፥ ሓይልታት ይኹኑ ገዛእቲ፥ ኣሕሉቕ ይኹኑ ስልጣናት፥ ኵሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም እሞ፥ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ። ንሱ ኸዓ፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፤ ኵሉ ፀኒዑ ዝቖመውን ብእኡ እዩ። ንሱ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ርእሲ እዩ፤ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውን፥ ንሱ መጀመርታ፥ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ። ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽሓድር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ፍቓድ ኮይኑ እዩሞ። እግዚኣብሄር፥ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል፥ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎን፥ ኣብ ሰማያት ዘሎን፥ ምስ ባዕሉ ዓረቖ። ንሱ ግና፥ ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ዝተሰብከ፥ ወንጌል እዩ፤ ኣነ ጳውሎስውን፥ ነዝ ወንጌል ኣገልጋሊ ኾንኩ። ከምቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ መጋቢነት፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ኾንኩ። እዝ ምስጢር እዙይ፥ ካብ ዘለኣለም፥ ንውሉድ ወለዶ ተሰዊሩ ነበረ፤ ሕዚ ግና፥ ንቕዱሳኑ ተገልፀ። እግዚኣብሄር ነዚኣቶም፥ እዝ ምስጢር እዙይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፥ ሃብቲ ኽብሩ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ኸም ዝኾነ፥ ከፍልጦም መረፀ። እዝ ምስጢር ከዓ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ። ንሕና ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ፍፁም ጌርና ምእንቲ ኽነቕርብ፥ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና፥ ንእኡ ንሰብኽ ኣለና። ነዙይ ድማ፥ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዝገብሮ ዘሎ ዅሉ ተግባራት፥ እናተጋደልኩ እፅዕር ኣለኹ። ምእንታኻትኩምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን፥ ምእንቲ እቶም ገፀይ ብስጋ ሪኦም ዘይፈልጡን፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘለኒ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። እዙይ ከዓ፥ ልቦም ተፀናኒዑ ብፍቕሪ ሓደ ምእንቲ ክኾኑን፥ ምሉእ ናይ ምስትውዓል ሃብቲ ምእንቲ ኽህልዎምን፥ ነቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ ምእንቲ ኽፈልጡን ኢለ እየ፥ ዝጋደል ዘለኹ። ኵሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን፥ ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዝርከብ። እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ሓደኳ ብምጥባር ከየስሕተኩም ኢለ እየ። ኣነ ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፤ ብስርዓት ምንባርኩምን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ፅኑዕ እምነትን እናረአኹ፥ እሕጐስ ኣለኹ። ኣብኡ ተመስሪትኩምን ተሃኒፅኩምን፥ ከምቲ ዝተምሃርኩምዎ ብእምነት ፅንዑ፤ ምስጋናውን ይብዝሐልኩም። ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ። ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ብእኡ ምሉኣት ኴንኩም ኢኹም። ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፤ ብሓይሊ እቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ እግዚኣብሄር ብምእማንኩም ድማ፥ ምስኡ ተሳእኹም። እግዚኣብሄር ንኵሉ ሓጢኣትኩም ይቕረ ብምባል፥ ንኣኻትኩምውን ብበደልኩም በቲ ዘይተገረዘ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ሞይትኩም ንዝነበርኩም፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም። ነቲ ዝኸሰናን ዝቃወመናን ዝነበረ፥ ኣብ ሕጊ ዘሎ ናይ ዕዳ ፅሑፍ ደምሰሰልና፤ ኣብ መስቀል ሸንኪሩውን ኣወገዶ። ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም። ስለዙይ ብብልዕን መስተን፥ ብምብዓል በዓላትን፥ ባሕትን፥ ሰናብትን ዝመፀ፥ ሓደኳ ኣይፍረድኩም። እዝ ዅሉ፥ ናይቲ ኽመፅእ ዘለዎ ፅላሎት እዩ እሞ፤ እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና፥ ክርስቶስ እዩ። ሓደኳ ትሕትና ብዝመስልን፥ ንመላእኽቲ ብዝግበር ኣምልኾን፥ እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን። እዝ ሕጊ እዙይ፥ ብምሉኡ ሰብ ዝሓገጎን ዝመሃሮን ስለ ዝኾነ፥ ምስ ፈፀምካዮ ሓላፊ እዩ። እዝ ሰብ ባዕሉ ብዘጥረዮ ኣምልኾን፥ ትሕትናን፥ ንሰብነት ኣበርቲዑ ዝቐፅዕን ብምዃኑ፥ ጥበብ ዘለዎ ይመስል፤ ድልየት ስጋ ንምቍፅፃር ግና፥ ኣይጠቕምን እዩ። ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ። እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለፁ ኢኹም። ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእዘዙ ውሉድ ክወርድ እዩ። ንስኻትኩምውን፥ ቀደም ነዝ ነገራት እዙይ እናገበርኩም ትነብሩ ኔርኩም። ሕዚ ግና ንስኻትኩም፥ ቍጥዓ፥ ንደት፥ ክፍኣት፥ ካብ ኣፍኩም ፀርፊ፥ ዘፀይፍ ዘረባን፥ ነዚኣቶም ኵሎምን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት፥ ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፥ ነቲ ንፈጣሪኡ ምእንቲ ኽመስል፥ ብፍልጠት ዝሕደስ ዘሎ ሓድሽ ሰብነት ስለ ዝለበስኩም፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፥ ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን፥ ግሩዝን ዘይግሩዝን፥ ዝሰልጠነን ዘይሰልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን። ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ። ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፤ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ። ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ። ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ። ኣትን ኣንስቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ብዘብል መንገዲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ፍተዉወን፤ መረርቲ እውን ኣይትኹንወን። ኣቱም ውሉድ፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። ኣቱም ወለዲውን፥ ተስፋ ምእንቲ ኸይቘርፁ፥ ንደቕኹም ኣይተቘጥዕዎም። ኣቱም መገልገልትውን፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ፥ ንገፅ ረአ፥ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ፥ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኹም፥ ብዅሉ ተኣዘዝዎም። ነቲ ርስቲ፥ ከም ዓስቢ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም፥ ኵሉ እትገብርዎ፥ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፥ ካብ ልቢ ግበርዎ። እቲ እተገልግልዎ ጐይታ፥ ክርስቶስ እዩ እሞ። እቲ ኽፉእ ዝገበረ፥ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኽፍደ እዩ፤ ኣብ እግዚኣብሄር ኣድልዎ የለንሞ። ኣቱም ጐይቶት፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ንመገልገልትኹም ቕኑዕን ግቡእን ግበሩሎም። ነቲ ምእንታኡ ተኣሲረ ዘለኹ፥ ምስጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ንቓሉ ኣፍ ደገ ክኸፍተልና፥ ምእንታና ፀልዩ። ኣነውን ከምቲ ዝግብአኒ ገይረ፥ ነቲ ቓል ምእንቲ ብግልፂ ኽናገር ፀልዩለይ። ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብግቡእ እናተጠቐምኩም፥ ምስቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። ንነፍሲ ወከፍ፥ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣዘራርባኻትኩም፥ ብጨው ከም ዝተቐመመ፥ ኵልሻዕ ብፀጋ ዝመልአ ይኹን። ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውናን፥ እሙን ኣገልጋልን፥ ብጐይታ መሳርሕተይን፥ ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ። ናባኻትኩም ዝሰዶ ዘለኹ፥ ብዛዕባ ሃለዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን፥ ልብኹም ምእንቲ ኸፀናንዕን ኢለ እየ። ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝኾነ፥ እሙንን ፍቑርን ሓውና ኣናሲሞስ እሰደልኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም፥ እቲ ዅሉ ኣብዙይ ዝኾነ ኽነግሩኹም እዮም። ኢዮስጦስ ዝተብሃለ ኢያሱ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ግሩዛት ካብ ዝኾኑ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ምሳይ ዘገልግሉ፥ ንኣይውን ዘፀናንዑኒ ዘለዉ ኣይሁድ፥ እዚኣቶም ጥራሕ እዮም። እቲ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ፥ ሰላምታ የቕርበልኩም ኣሎ፤ ምሉኣትን ብዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ተረዲእኹም፥ ፍፁማት ኴንኹም ምእንቲ ኽትቆሙን፥ ተጊሁ ብፀሎት ይጋደል ኣሎ። ንሱ ምእንታኻትኩምን፥ ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያን ኣብ ኢያራጶሊስ ዘለዉን፥ ብዙሕ ፃዕሪ ኸም ዘለዎ እምስክረሉ ኣለኹ። ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ነቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን፥ ንኒምፋስን፥ ነታ ኣብ ገዛኡ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን፥ ሰላም በሉለይ። ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፤ ንስኻትኩምውን፥ ነታ ኻብ ሎዶቅያ እትመፅእ መልእኽቲ ኣንብብዋ። ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። ምእንቲ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ነመስግኖ ኣለና፤ ኣብ ፀሎትናውን ኵሉ ጊዜ ንዝክረኩም ኣለና። ነቲ ናይ እምነት ስራሕኹም፥ ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ፃዕርኹም፥ ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ ፅንዓትኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና። ኣቱም ብእግዚኣብሄር ፍቑራት ኣሕዋትና፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኩም ንፈልጥ ኢና። እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን፥ ብምሉእ ምርዳእን እምበር፥ ብቓል ጥራሕ ኣይመፀኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል፥ ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም። ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ተቐበልኩም፥ ነቲ ቓል፥ በቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ብምቕባልኩም፥ ንኣናን ንጐይታን መሰልኩም። ስለዙይ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዅላቶም ምእመናን፥ ኣርኣያ ኾንኩምዎም። እዝ ኻባኻትኩም ዝወፀ ቓል እግዚኣብሄር፥ ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራሕ ኣይኮነን ዝተሰምዐ፤ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለኩም እምነት፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ ተሰሚዑ እዩ። ስለዙይ ንሕና ኽንዛረበሉ ኣየድልን እዩ። ነቲ ህያው ዝኾነ፥ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ክተገልግሉን፥ ነቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ዘድሕነናን፥ ወዱ ኢየሱስውን ካብ ሰማያት ክትፅበዩ ኽትብሉ፥ ከመይ ጌርኩም ንጣዖታት ሓዲግኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለስኩም፥ ናባኻትኩም ምስ መፃእናውን፥ ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምና፥ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ባዕልቶም ይምስክሩ እዮም። ኣሕዋትና፥ እቲ ናባኻትኩም ምምፃእና፥ ንኸንቱ ኸም ዘይኮነ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከም እትፈልጥዎ፥ ቅድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ተቐበልናን ተዋረድናን። ይኹን እምበር እንተ ተቓወሙናኳ፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ብትብዓት፥ ወንጌል ሰቢኽናልኩም ኢና። እቲ ምዕዶና ኻብ ጌጋ ወይ ካብ ርኽሰት ወይ ከዓ፥ ክንጥብረኩም ኢልና ዝገበርናዮ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ነቲ ሕድሪ ዝተውሃበና ወንጌል፥ ብእግዚኣብሄር ከም ዝተመስከረሎም ሰባት ንዛረብ ኣለና። ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ፥ ነቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር ምሕጓስ እዩ። ብቓል ቅብጥር ወይ እናመኽነና ብስስዐ ተደፋፊእና፥ ከም ዘይተዛረብናኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ነዙይ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ። ካባኻትኩም ኮነ ኻብ ካልኦት ሰባት ክብሪ ኣይደለናን። ሃዋርያት ክርስቶስ ከም ምዃንና፥ ክነኽብደልኩም ምኸኣልና ኔርና። እንተ ኾነ ኸምታ ነናእሽተይ ደቃ እትከናኸን እኖ፥ ኣብ ማእኸልኩም ርህሩሃት ነበርና። ከምኡ ንሕናውን ስለ እንናፍቐኩም፥ የመናውን ነፍቅረኩም ስለ ዝኾንና፥ ህይወትናውን እምበር፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ጥራሕ ኣይኮንናን ክነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና። ኣሕዋተይ፥ ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኢልና፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ወንጌል ከም ዝሰበኽናልኩም፥ ድኻምናን ፃዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም። ኣባኻትኩም ኣብ ማእኸል እትኣምኑ፥ ብቕድስናን ብፅድቅን ብዘይ ነቐፋን ከም ዝነበርና፥ ንስኻትኩምን እግዚኣብሄርን ምስክር ኢኹም። ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር፥ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ፥ ከመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፀናንዐኩምን ነተባብዐኩምን፥ ከም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና። ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነብራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መሲልኩምወን ኢኹም። ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ መከራ ዝተቐበላ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም፥ መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ። ኣይሁድ፥ ንጐይታና ኢየሱስን፥ ንነቢያትን ቀተልዎም፤ ንኣና ኸዓ ኣሳጐጉና፤ ንእግዚኣብሄርውን የሕዝኑን፥ ንኵሉ ሰብውን ይፃረሩን ኣለዉ። ኣህዛብ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ንሕና ወንጌል ከይንሰብከሎም ብምኽልካሎም፥ በዙይ ከዓ ኸም ቀደሞም፥ መስፈሪ ሓጢኣቶም ይመልኡ ኣለዉ። ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ድሮ ወሪዱ ኣሎ። እንተ ኾነ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ግና ብልብና ምሳኻትኩም እኳ እንተ ሃለና፥ ብኣካል ንሓፂር ጊዜ ኻባኻትኩም ተፈሊና ስለ ዝነበርና፥ ገፅኩም ክንርኢ ብዙሕ ናፍቖትን ሃረርታን ነይሩና። ስለዙይ ናባኻትኩም ክንመፅእ ደሊና ኔርና፤ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ጊዜ፥ ክልተ ጊዜ ኽመፅእ ፈቲነ ነይረ፤ ግና ሰይጣን ኣዐንቀፈኒ። ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ፥ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን? ብርግፅ ክብርናን ሓጐስናን፥ ንስኻትኩም ኢኹም። በዝ መከራዙይ ሓደኳ ኸይሰናኸል፥ ነቲ ሓውና፥ ኣብ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከዓ፥ መሳርሕትና ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ጢሞቴዎስ፥ ኣብ እምነትኩም ከተባብዐኩምን ከፀናንዐኩምን ለኣኽናዮ። ንሕና፥ ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ምሳኻትኩም እንተለናውን፥ መከራ ኸም እንቕበል፥ ኣቐዲምና ነጊርናኩም ኔርና፤ ከም እትፈልጥዎ ድማ እንሆ መከራ በፅሐና። ስለዙይ ኣነውን ካብዙይ ንላዕሊ ኽዕገስ ስለ ዘይከኣልኩ፥ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይኸውን እሞ እቲ ፃዕርና፥ ከንቱ ኸይኸውን ኢለ፥ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ንጢሞቴዎስ ለኣኽክዎ። ሕዚ ግና፥ ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና ስለ ዝተመለሰ፥ ናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ዘሐጕስ ዜና ኣምፅአልና፤ ብፅቡቕ ከም እትዝክሩና፥ ከምቲ ንሕና ኽንሪኤኩም እንናፍቕ፥ ንስኻትኩምውን ክትሪኡና ኸም እትናፍቑ ነገረና። ስለዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣብ ኵሉ ጭንቅናን መከራናን፥ በቲ ናታትኩም ኣብ እምነት ምፅናዕ ተፀናኒዕና ኣለና። ንስኻትኩም ኣብ ጐይታ ብምፅናዕኹም፥ ንሕና ብህይወት ንነብር ኣለና። ስለ እቲ ብኣኻትኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተሓጐስናዮ ታሕጓስ፥ ንኣምላኽ ብዛዕባኻትኩም፥ ከመይ ዝበለ ምስጋና ኢና ኽነቕርብ እንኽእል? ገፅኩም ክንርእን፥ ኣብቲ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፥ ለይትን መዓልትን ተጊህና ንፅሊ ኣለና። ግና ባዕሉ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ጐይታና ኢየሱስን፥ ናባኻትኩም ንኽንመፅእ መንገድና የቕንዐልና። ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን። በታ ጐይታ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ነቐፋ ዘይብሎም ቅዱሳን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ልብኹም የበርትዕ። ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና። ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እንታይ ዓይነት ትእዛዝ ኸም ዝሃብናኩም ትፈልጡ ኢኹም። ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ሰብነቱ ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ፥ ብፍትወት ስጋ ኣይትሸነፉ። ሓደኳ በዝ ነገር እዙይ ጥሒሱ፥ ንሓዉ ኣይበድሎን ኣይበለፀሉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘጠንቀቕናኩምን፥ ከምዙይ ንዝገብሩ፥ እግዚኣብሄር ፈዳዪ ሕነ እዩ እሞ። እግዚኣብሄር ንቕድስና እምበር፥ ንርኽሰት ኣይፀውዐናን። እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ። ብርግፅ ኣብ ኵላ መቄዶንያ ንዘለዉ ኣሕዋት ትፈትዉ ኢኹም፤ ግና ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትገብርዎ ንምዕደኩም ኣለና። ኣብ ናብራኹም፥ ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ፥ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ፥ ምእንቲ ከኽብሩኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን፥ ኣብ ናይ ባዕልትኹም ጉዳይ ክተተኵሩን፥ ብኢድኩም ክትሰርሑን፥ ንምዕደኩም ኣለና። ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምፅኣት ጐይታ፥ ብህይወት እንፀንሕ ኸዓ፥ ነቶም ዝደቀሱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፥ ብቓል ጐይታ ንነግረኩም ኣለና። ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም። ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ። ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ጊዜያቱን ወርሓቱን ግና፥ ክንፅሕፈልኩም ኣየድልን እዩ። ሰራቒ ብለይቲ ኸም ዝመፅእ፥ መዓልቲ ጐይታውን ከምኡ ኸም እትመፅእ፥ ንስኻትኩም ብርግፅ ትፈልጡ ኢኹም እሞ። ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም። ኣሕዋትና፥ ንስኻትኩም ግና፥ ኣብ ፀልማት ስለ ዘይትነብሩ፥ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከም ሰራቒ ኣይትመፀኩምን እያ። ንስኻትኩምስ፥ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና፥ ደቂ ለይቲ ወይ ደቂ ፀልማት ኣይኮንናን። እምበኣር ንንቃሕ፤ ርእስና ንቘፃፀር ደኣ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን። እቶም ዝድቅሱስ፥ ብለይቲ እዮም ዝድቅሱ፤ እቶም ዝሰኽሩውን፥ ብለይቲ እዮም ዝሰኽሩ እሞ። ንሕና ግና፥ ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና፥ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፥ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸዓ፥ ከም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና፥ ርእስና ብምግታእ ንንበር። እንተ ነቓሕና ወይ እንተ ደቀስና፥ ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ። ስለዙይ፥ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፥ ንስንሳትኩምውን ተተባብዑ፤ እቲ ሓደውን ነቲ ሓደ ይህነፆ። ስለ እቲ ስራሖም፥ ብፍቕሪ ኣብሊፅኩም ኣኽብርዎም፤ ንስንሳትኩምውን ብሰላም ንበሩ። ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና። ሓደኳ ነቲ ኽፉእ ዝገበሮ፥ ብኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፤ ግና ዅልሻዕ፥ ንስንሳትኩም ኮነ፥ ምስ ኵሉ ሰብ፥ ሰናይ ንምግባር ፀዓሩ። እንተየቋረፅኩም ፀልዩ፤ ብዅሉ ኣመስግኑ፤ እዙይ ንኣኻትኩም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ። ትንቢት ኣይትንዓቑ። ንዅሉ መርምርዎ፤ ነቲ ሰናይ ሓዝዎ። ክፉእ ካብ ዝኾነ ኵሉ ረሓቑ። እቲ ዝፀውዐኩም እሙን እዩ፤ ንሱውን ክገብሮ እዩ። ኣቱም ኣሕዋትና፥ ምእንታና ፀልዩ። ንዅላቶም ኣሕዋትውን፥ ብቅዱስ ሰላምታ ሰላም በልዎም። ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ቅዱሳን ኣሕዋት ክተንብብዋ፥ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነኩም ኣለኹ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ስለዙይውን ንሕና ባዕልትና፥ ብፅንዓትኩምን እምነትኩምን፥ በቲ ኣብ ስደትን መከራን እትዕገስዎ ዘለኹምን፥ ኣብተን ኣብ እግዚኣብሄር ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና። እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም መከራ ዘምፅኡልኩም፥ መከራ ኽፈድዮም እዩ። ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስቶም ሓያላት መላእኽቱ፥ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመፅእ፥ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ግና፥ ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎን፥ ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን፥ ሕነ ኽፈድዮም እዩ። ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም። ነዙይ ብምሕሳብ፥ ኣምላኽና ንፃውዒቱ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም፥ ብሓይሉ ኸዓ፥ ነቲ ሰናይ ንምግባር ዘለኩም ድልየትን፥ ኵሉ ናይ እምነትኩም ተግባርን፥ ምእንቲ ኽፍፅመልኩም፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም ንፅሊ ኣለና። ከም መጠን ፀጋ ኣምላኽናን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ክኸብር፥ ንስኻትኩምውን ብእኡ ምእንቲ ኽትከብሩ፥ ንፅሊ ኣለና። ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ናብኡ ምእካብናን፥ እንነግረኩም እዙይ እዩ፦ ብመንፈስ ወይ ብቓል፥ ወይ ካባና ኸም ዝተፅሓፈት መልእኽቲ ብምምሳል፥ “ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ በፂሓ እያ” ኢልኩም፥ ቀልጢፍኩም ኣይትደንግፁን ኣይትተሃወኹን። ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመፀ፥ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ፥ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልፀ፥ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኣይትመፅእን እያ እሞ፥ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም። “ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ። ኣነ ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ነዙይ ከም ዝነገርኩኹምከ፥ ኣይትዝክርዎን ዲኹም? ንሱ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ምእንቲ ኽግለፅ፥ እቲ ሕዚ ዝኽልክሎ እንታይ ምዃኑ፥ ትፈልጥዎ ኢኹም። እቲ ናይ ዓመፅ ምስጢር፥ ድሮ እኳ ይሰርሕ ኣሎ፤ እንተ ኾነ እቲ ኸልኪልዎ ዘሎ፥ ንሱ ኻብ መንገዱ ኽሳዕ ዘግልስ፥ ኣይግለፅን እዩ። ድሕሪዙይ፥ ናይ ዓመፅ ሰብ ክግለፅ እዩ፤ ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ትንፋስ፥ ከጥፍኦ እዩ። ብግርማ ምፅኣቱውን ክድምስሶ እዩ። ናይቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ምምፃእ፥ በቲ ዅሉ ሰይጣን ዝሰርሖ፥ ብሓይልን፥ መስሓቲ ምልክትን፥ ዘደንቕ ነገራትን፥ ብምግባር ክኸውን እዩ። ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ፥ ኵሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ፥ ነቲ ኸድሕኖም ዝኽእል ሓቂ፥ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ። ስለዙይውን ንሓሰት ምእንቲ ኽኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ዘስሕት መንፈስ ይሰደሎም። እዙይ ከዓ ዅሎም እቶም ንሓቂ ዘይኣምኑ፥ ብኽፉእ ግና ዝሕጐሱ ዅሎም፥ ምእንቲ ኽፍረዱ እዩ። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽትኮኑ ኢሉ፥ በቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌሉ ፀውዐኩም። እምበኣር፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ፀኒዕኹም ቁሙ፤ ነቲ ብቓል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም፥ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ። ንልብኹም የፀናንዕ፤ ብሰናይ ግብርን ቃልን ከዓ የበርትዕኹም። ኵሉ ኸዓ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ፥ ካብ ዓመፀኛታትን፥ ክፉኣት ሰባትን፥ ምእንቲ ኽንድሕን ፀልዩልና። ግና እቲ ዘፅንዐኩምን፥ ካብ እቲ ኽፉእውን ዝሕልወኩምን ጐይታ፥ እሙን እዩ። ነቲ እንእዝዘኩም ትፍፅምዎ ኸም ዘለኹም፥ ገናውን ከም እትፍፅምዎ፥ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና። ጐይታ ኸዓ፥ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ። ምሳኻትኩም እንተለና፥ ብዘይ ስርዓት ኣይነበርናን እሞ፥ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ኽትገብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ካባኻትኩም ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኽንብል፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ንፅዕርን ንደክምን ነበርና እምበር፥ ካብ ሓደኳ ብኸምኡ እንጀራ ኣይበላዕናን። እዙይ ከዓ ኣርኣያ ኽንኮነኩምን፥ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉን ኢልና ኢና እምበር፥ ግቡእና ኽንረክብ መሰል ዘይብልና ዄንና ኣይኮነን። ምሳኻትኩም እንተለና፥ እቲ “ክሰርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ዝብል ትእዛዝ ሂብናኩም ኔርና ኢናሞ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ፥ ብህድኣት እናሰርሑ፥ ናይ ባዕልቶም እንጀራ ኽበልዑ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና። ነቲ በዛ መልእኽቲ እዚኣ እንብሎ ቓል፥ ዘይእዘዝ እንተ ሃልዩ ኣለልይዎ፤ ምእንቲ ኽሓፍር ከዓ፥ ምስኡ ኣይትሕበሩ። ግና ኸም ሓው ደኣ መዓድዎ እምበር፥ ከም ፀላኢ ኣይትቝፀርዎ። እምበኣር ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ብዅሉ ወገን፥ ኵልሻዕ ሰላም ይሃብኩም። ጐይታ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ እንተለኹ ሓደራ ዝበልኩኻ፥ ኣብ ኤፌሶን ፅናሕ እሞ፥ ገሊኣቶም ናይ ሓሰት ትምህርቲ ኸይምህሩ ኣዝዝ። ከምኡውን ናብ ኣፈ ታሪኻትን፥ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ናብ ምቝፃር ትውልድታትን፥ ከየዘምብሉ መዓድ። እዝ ነገራት እዙይ ክትዕ እምበር፥ ኣብቲ ብእምነት ዝግበር ናይ እግዚኣብሄር መጋቢነት፥ ዝጠቅም የብሉን። ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ። ገሊኣቶም ሰባት ካብዙይ ወፂኦም፥ ናብ ከንቱ ኽርክር ተመሊሶም ኣለዉ። ነቲ ዝብልዎ ወይ ነቲ ብምትእምማን ዝዛረብዎ እኳ፥ ዘይፈልጥዎ እንተለዉስ፥ መምህራን ሕጊ ክኾኑ ይደልዩ። ሕጊ ኸዓ፥ ንፃድቃን ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፤ ሕጊ ዝተሰርዐ፥ ንጠሓስቲ ሕጊ፥ ንዓመፀኛታት፥ ንጕሒላታት፥ ነቶም ቅድስና ዘይብሎም፥ ንሓጥኣን፥ ንርኹሳት፥ ነቶም መንፈሳዊ ነገራት ዝንዕቑ፥ ነቶም ኣቦኦምን እኖኦምን ዝቐትሉ፥ ንቐተልቲ ነፍሲ፥ ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ። እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ናይቲ ኣነ ኸብስሮ ሕድሪ ዝተውሃበኒ፥ ኣብቲ ናይቲ ቡሩኽ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ወንጌል እዩ ዝርከብ። ነቲ ኸገልግሎ ሓይሊ ዝሃበኒ፥ ከም እሙን ቈፂሩ ኸዓ፥ ናብዝ ኣገልግሎት እዙይ ዝሓረየኒ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ አመስግኖ ኣለኹ። ኣነ ቐደም ስም ጐይታ ዝፀርፍን፥ ዘሳጕጉን፥ ዝገፍዕን፥ እንተ ነበርኩ እኳ፥ ሰኣን ፍልጠትን፥ ሰኣን ምእማንን፥ ነዙይ ስለ ዝገበርክዎ፥ ምሕረት ረኸብኩ። ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፥ ፀጋ ጐይታና፥ ኣባይ ብዘይ መጠን በዝሐ። “ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፥ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እየ፥ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ቅድም ኣባይ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላፅ፥ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ፥ መርኣያ ገበረኒ። ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን። ጢሞቴዎስ ወደይ፥ ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመስሪተ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ሓደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነገረካ ቓል ኣፅኒዕኻ ሓዞ፤ ተቢዕኻውን ሰናይ ገድሊ ተጋደል። እምነትን ንፁህ ሕሊናን ይሃሉኻ። ገሊኣቶም ሰባት፥ ንሕሊናኣቶም ብዘይምእዛዝ፥ ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ፥ ንእምነቶም ኣጥፊኦምዋ እዮም እሞ። ኣብ መንጎኦም እኳ፥ ንእግዚኣብሄር ምፅራፍ ከም ዘይግባእ ምእንቲ ኽመሃሩ ኢለ፥ ንሰይጣን ኣሕሊፈ ዝሃብኩዎም፥ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን ዝበሃሉ ሰባት ኣለዉዎም። እምበኣር ቅድሚ ዅሉ ምህለላ፥ ፀሎት፥ ምምላድ፥ ምስጋና፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብን፥ ምእንቲ ነገስታትን፥ ምእንቲ ሰበ ስልጣንን፥ ክግበር እምዕድ ኣለኹ። እዙይ ከዓ ብመንፈሳዊነትን፥ ህዱእን፥ ሰላማዊን፥ ዝኾነ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር እዩ። እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሰናይን ዘሐጕስን እዩ። ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ። እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፥ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ፥ ክንዲ ዅሉ ሰብ፥ ቤዛ ገይሩ፥ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፤ እዙይውን፥ በቲ ብገዛ ዘመኑ ምስክርነቱ ነበረ። ኣነውን ነዙይ እየ፥ ንኣህዛብ ሓቅን እምነትን ምእንቲ ኽምህር፥ ሰባኽን ሃዋርያን ኮይነ ዝተሸምኩ፤ ሓቂ እየ ዝዛረብ እምበር፥ ኣይሕሱን እየ። ኣንስትውን፥ ርእሰን ብምቝናን ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቊ ወይ ብኽቡር ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ብምግያፅ ዘይኮነስ፥ ግቡእን ትሕትና ዘርእን፥ ክዳን ይከደና። ከምቲ ነተን መንፈሳውያት ኣንስቲ ዝግባእ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽሽለማ እደሊ ኣለኹ። ሰበይትስ፥ እዝዝቲ ብምዃን ብህድኣት ደኣ ትመሃር። ሰበይቲ ኽትምህር ወይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣይ ስልጣን ክህልዋ፥ ኣይፈቅድን እየ። ንሳስ ስቕ ደኣ ትበል። ቅድም ዝተፈጠረ ኣዳም እዩ፤ ደሓር ከዓ ሔዋን እያ እሞ። ከምኡ ኸዓ ሰበይቲ እያ ተታሊላ ትእዛዝ ዝጠሓሰት እምበር፥ ኣዳም ኣይተታለለን። ሰበይቲ ግና፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ብትሕትናን ፀኒዓ እንተ ነበረት፥ ውሉድ ብምውላድ ክትድሕን እያ። እምበኣር ኤጲስ ቆጶስ ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ሕያዋይ፥ ዘይተሃላለኽ፥ ፈታዊ ገንዘብ ዘይኮነ፥ ቤተሰቡ ብፅቡቕ ዘመሓድርን፥ ብቕንዕና ዝእዘዙ ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ስድራኡ ብስነ ስርዓት ከመሓድር እንተ ዘይክኢሉ፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸመሓድራ ይኽእል? ብትዕቢት ተነፊሑ፥ ከም ዲያብሎስ፥ ኣብ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ ሓድሽ ኣማኒ ኣይኹን። ግና ኣብ ቅለትን፥ መፃወድያ ዲያብሎስን፥ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ በቶም ዘይኣምኑውን፥ ፅቡቕ ምስክርነት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ። ዲያቆናትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ቃሎም ዘይለዋውጡ፥ መስተ ዘየብዝሑ፥ ህርፋን ገንዘብ ዘይብሎም፥ ነቲ ናይ እምነት ምስጢር፥ ብንፁህ ሕሊና ዝሕልዉ ክኾኑ ይግባእ። ንሳቶምውን ቅድም ይመርመሩ፤ ነቐፋ ዘይብሎም ኮይኖም እንተ ተረኺቦም ድማ፥ ብዲቁና የገልግሉ። ኣንስትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ዘይሓምያ፥ ብመጠን ዝነብራ፥ ብዅሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ። ዲያቆናት፥ ነፍሲ ወከፎም ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ደቆምን ስድራኦምን፥ ብፅቡቕ ዘመሓድሩ ይኹኑ። ብፅቡቕ ዘገልግሉ ዲያቆናት፥ ዓብዪ መዓርግ ይረኽቡ፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ እምነት፥ ትብዓት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም እሞ። ኦ ጢሞቴዎስ፥ ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመፅእ ተስፋ እናገበርኩ፥ ነዝ መልእኽቲ እዙይ እፅሕፈልካ ኣለኹ። እንተ ደንጐኹ ግና፥ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው እግዚኣብሄር፥ ከመይ ምንባር ከም ዝግባእ ንኽትፈልጥ፥ ፅሒፈልካ ኣለኹ። ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ። እዝ ዓይነት ትምህርቲ እዙይ ድማ፥ ካብቶም ብመተኰስ ከም ዝሓረረ፥ ሕሊናኦም ዝደንዘዘ፥ ግብዛት ሓሰውቲ ሰባት እዩ ዝመፅእ። ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፤ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፥ ብምስጋና ኽቕበልዎ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ብልዒውን፥ ሰብ ክሓርሞ ይእዝዙ። ኵሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብምስጋና ንዝቕበሎ ኸዓ፥ በቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ፀሎትን፥ ዝቕደስ ስለ ዝኾነ፥ ሓደኳ ዝድርበ የብሉን። ግና ኻብ ቅለትን፥ ካብ ወግዒ ኣረጋውያት ኣንስቲ ዝመሰለ ተረትን ረሓቕ። ንመፈሳዊ ህይወት ንባዕልኻ ኣለማምድ። ሰብነት፥ ንኣካላዊ ብቕዓት ምልምማድ፥ እዝ ቃል እሙን እዩ፤ ኵሉውን ክቕበሎ ይግባእ እዩ። በቲ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ ንኣመንቲ ዘድሕን ህያው እግዚኣብሄር ተስፋ ስለ ዝገበርና፥ ንፅዕርን ንጋደልን ኣለና። ነዝ ነገራት እዙይ፥ ኣዝዝን መሃርን። ንንእስነትካ ሓደኳ ኣይንዓቆ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል፥ በካይዳ፥ ብፍቕሪ፥ ብእምነት፥ ብንፅህናውን ኣርኣያ ኹኖም። ኣነ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ንህዝቢ ብምንባብን፥ ብምስባኽን፥ ብምምሃርን፥ ትጋህ። ነቲ ብቓል ትንቢት፥ ምስ ምንባር ኢድ ሽማግሌታት፥ እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ፥ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በዞም ነገራት እዚኣቶም፥ ኣፀቢቕካ ትጋህ፤ ንኽትፍፅሞም ከዓ፥ ኵለንትናካ ወፊ። ንባዕልኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፤ ኣብኡውን ፀኒዕኻ ንበር፤ እዙይ እንተ ጌርካ፥ ንባዕልኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ክተድሕን ኢኻ። ንኣረጋዊ ኣይተቃልል፤ እኳ ደኣ ንእኡ ኸም ኣቦ፥ ንኣጓብዝ ኸም ኣሕዋት፥ ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም እኖታት፥ ንኣናእሽቲ ኸም ኣሓት ቈፂርካ መዓዶም። ነተን ብርግፅ መበለታት ዝኾና ኣኽብረን። ዝኾነት መበለት ግና፥ ደቂ ወይ ደቂ ደቂ እንተ ሃልዮምዋ፥ ንሳቶም ኣቐዲሞም ንስድራኦም ብምክንኻን፥ መንፈሳዊ ግቡኦም ምፍፃም ይመሃሩ፤ በዙይ ከዓ ንወለዶም ሞሳ ኽመልሱ እዮም። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እሞ። እታ ብርግፅ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር ገይራ፥ ምእንቲ ኽረድኣ ለይትን መዓልትን፥ ብምህለላን ፀሎትን እያ እትተግህ። እታ ናይዝ ዓለም እዙይ ደስታ እትደሊ መበለት ግና፥ ብህይወታ እንተላ ዝሞተት እያ። ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ክኾኑስ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዝዞም። ሓደኳ ነቶም ኣዝማዱ፥ ብሕልፊ እኳ ንስድራኡ ዘይሓሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ እምነቱ ዝኸሓደ፥ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ። ካብ ስሳ ዓመት ንላዕሊ፥ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፥ ደቃ ብዝግባእ ዘዕበየት፥ ጋሻ ብምቕባል፥ እግሪ ቅዱሳን ብምሕፃብ፥ ንዝፀገሞ ብምሕጋዝ፥ እዝ ሰናይ ግብሪ እዙይ ብምግባር፥ ዝተመስከረላ ኽትከውን ይግባእ። ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ግና፥ ፍትወት ስጋ ምስ ተልዓለን፥ ካብ ክርስቶስ ርሒቐን፥ ክምርዐዋ እየን ዝደልያ እሞ፥ ምስተን መበለታት ኣይትመድበን። እዚኣተን ነታ ቐዳመይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፥ ክፍረደን እዩ። ኣብ ልዕሊ እዙይውን፥ ገዛ ንገዛ እናዞራ፥ ምብኳር ስራሕ እየን ዝመሃራ፤ ምብኳር ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ፥ ሓመይትን መውረይትን፥ ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋን እየን ዝኾና። እምበኣር ፀላኢ ኣብ ልዕሊአን ዝዛረቦ ኽፋእ ምእንቲ ኸይረክብ፥ እተን ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ክምርዐዋ፥ ውሉድ ክወልዳ፥ ስድራአን ብግቡእ ከመሓድራ እደሊ ኣለኹ። ገሊኣተን እኳ ንሰይጣን ክስዕባ ዝተመለሳ ኣለዋ። ሓደ ኣማኒ ሰብ ወይ ሓንቲ ኣማኒት ዝኾነት ሰበይቲ፥ መበለታት እንተ ሃልየናኦም፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኸይኸብድኣ፥ ባዕልቶም ይሓግዙወን። እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነተን ሓገዝ ዘድልየን፥ ናይ ብርግፅ መበለታት ንዝኾና ምእንቲ ክትሕግዘን፥ ንቤተ ክርስቲያን ኣየኽብዱላ። ነቶም ብዝግባእ ዘገልግሉ ሽማግለታት፥ መፅሓፍ “ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ከምኡውን “ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ” ይብል እዩ እሞ። ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት እንተ ዘይመስኪሮም፥ ኣብ ልዕሊ ሽማግለ፥ ክሲ ኣይትቀበል። ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ግና፥ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርሑ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ገስፆም። ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን፥ ነዝ ምዕዶዙይ ክትሕሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ። ኣብ ሓደኳ፥ ኢድካ ኣንቢርካ ንምሻም ኣይትተሃወኽ፤ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ከይትሳተፍ፤ ንባዕልኻ ብንፅህና ሓሉ። ስለ ኸብድኻን ስለ እቲ ዝመላለሰካ ሕማምን፥ ቁሩብ ወይኒ ሓጢኣት ገሊኣቶም ሰባት ግሁድ እዩ፤ ነቲ ፍርዲውን የርኢ፤ ናይ ገሊኣቶም ግና ደሓር እዩ ዝግለፅ። ከምኡ ኸዓ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉፅ እዩ፤ እቲ ግሉፅ ዘይኮነ ግና፥ ተሰዊሩ ኽተርፍ ኣይኽእልን እዩ። ስም እግዚኣብሄርን፥ እቲ እንሰብኮ ትምህርትን፥ ምእንቲ ኸይንቀፍ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ ዅሎም፥ ነቶም ጐይተቶም ምሉእ ኽብሪ ኸም ዝግብኦም ይቝፀርዎም። እቶም ኣመንቲ ጐይቶት ዘለውዎም ድማ፥ ብክርስቶስ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም። እኳ ደኣ እቶም በቲ ፅቡቕ ኣገልግሎቶም ዝጥቀሙ ዘለዉ፥ ኣመንትን ፍቑራትን ብምዃኖም፥ ኣብሊፆም የገልግልዎም። ነዝ ነገርዙይ መሃርን መዓድን። ንሱ ብትዕቢት ዝተነፍሐ፥ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሰብ እዩ። ንሱ ናይ ክትዕን ጐይቍን ፅምኢ ዘለዎ፥ ሕሙም ሰብ እዩ። ካብዙይ ከዓ ቕንኢ፥ ባእሲ፥ ክፉእ ሓሳብ፥ ፀርፊ ይመፅእ። ኣብቶም እቲ ሓቂ ዘይብሎም ኣእምሮኦም ዝረኸሰ ሰባት ከዓ፥ ዘየቋርፅ ጐይቊ ይፈጥር፤ እዚኣቶም፥ መንፈሳዊነት ናይ ምድራዊ ረብሓ መርከቢ እዩ ዝመስሎም። ናብዝ ዓለም እዙይ ዘምፃእናዮ የብልናን፤ ካብዝ ዓለም እዙይውን፥ ክንወስዶ እንኽእል ከቶ የለን እሞ። ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ። እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና፥ ብዘጥፍእን ብዘበላሹን፥ ንሰባትውን ብዘጥልቕን፥ ብዘስንፍን፥ ብዝጐድእን፥ ኣብ መፃወድያ ትምኒትን ፈተናን ይወድቁ። ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ። ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ። ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፤ ነታ ዝተፀዋዕኻላ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽርውን ፅቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሓዝ። ነቲ ትእዛዝ፥ ብንፅህናን ብዘይ ነቐፋን፥ ክሳዕ ምግላፅ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትሕልዎ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህይወት ዝህብ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጴንጤናዊ ጲላጦስ፥ ነታ ሓቀኛ እምነት ዝመስከረ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እእዝዘካ ኣለኹ። ነዙይ ጊዜኡ ምስ በፅሐ እግዚኣብሄር ክገልፆ እዩ፤ ንሱ ብፁእ፥ በይኑ ንዅሉ ዝገዝእ፥ ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ንሱ በይኑ፥ ዘይመውት እዩ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸቶ ዘይረአዮ፥ ክሪኦውን ዘይኽእል፥ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር እዩ፤ ንእኡ ንዘለኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን። ገበርቲ ሰናይ ክኾኑ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽህብትሙ፥ ለጋሳትን ንምክፋል ድልዋትን ክኾኑ ኣዝዞም። በዝ መንገዲ እዙይ፥ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም፥ ፅኑዕ መሰረት ምእንቲ ክኾኖም፥ ንርእሶም ሃብቲ ኽእክቡ እዮም። ኦ ጢሞቴዎስ፥ ነቲ ዅሉ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓልዎ። ካብቲ ብጌጋ “ፍልጠት” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዓለማዊ ኸንቱ ልፍለፋን፥ ዝጋጮ ሓሳባትን፥ ፀጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን። ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዝርከብ ናይ ህይወት ተስፋ፥ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥ ናብ ዝፈትዎ ወደይ ጢሞቴዎስ፤ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋ፥ ምሕረት፥ ሰላም፥ ንኣኻ ይኹን። ለይትን መዓልትን እንተየቋረፅኩ፥ ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ፥ ብንፁህ ሕሊና ዘገልግሎ እግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ። ንብዓትካ እናዘከርኩ፥ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ፥ ክሪአካ እናፍቕ ኣለኹ። ነታ ኣባኻ ዘላ፥ ግብዝና ዘይብላ እምነት እዝክራ እየ። እዛ እምነት እዚኣ፥ ቅድም ኣብ እኖሓጐኻ ሎይድ፥ ከምኡውን ኣብ እኖኻ ኤውንቄ ነበረት። ሕዚ ኸዓ ኣባኻ ኸም ዘላ ተኣማሚነ ኣለኹ። ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ፥ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ክተለዓዕሎ ኣዘክረካ ኣለኹ። እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ። ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና። እዝ ፀጋ እዙይ፥ ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ። ኣነውን ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣብሳሪ ሃዋርያን፥ ንኣህዛብውን መምህር ክኸውን ተሸምኩ። በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ። ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓቂ፥ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ። እግዚኣብሄር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ፥ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይሓፈረ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ። ኣብ ሮሜ ምስ መፀውን፥ ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙሕ ደኺሙ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እምበኣር፥ ጢሞቴዎስ ወደይ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ፥ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት፥ ሕድሪ ሃቦም። ከም ተባዕ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወታደር ኴንካ፥ ምሳይ መከራ ተቐበል። ወታደር ኮይኑ ዘገልግል፥ ነቲ ኣዛዚኡ ምእንቲ ኸሐጕስ፥ ብናብራ እዝ ዓለም እዙይ ኣይጥለፍን። ከምኡውን እቲ ኣብ ውድድር ዝሳተፍ፥ ከምቲ ሕጊ ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ፥ ናይ ኣሸናፍነት ኣኽሊል ኣይረክብን እዩ። እቲ ዝፅዕር ሓረስታይ፥ ካብቲ ዘፍረዮ ፍረ ኣቐዲሙ ኽወስድ ይግብኦ እዩ። ነዝ ዅሉ ዝብለካ ዘለኹ ኣስተብህሎ፤ እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ምስትውዓል ይሃብካ። ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ። ስለዙይ እቶም ሕሩያት፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውህብ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድሕነት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ንዅሉ እዕገስ ኣለኹ። ምስኡ ኸዓ ብህይወት ክንነብር ኢና። ንሱውን ክኽሕደና እዩ። እሙን ኮይኑ እዩ ዝነብር።” ንቓል ሓቂ ብቕንዕና ዝነግር፥ ዘሕፍር ዘይብሉ፥ ዝተመስከረሉ ሰራሕተኛ ጌርካ፥ ንባዕልኻ ንእግዚኣብሄር ክተወፊ ትጋህ። ነቲ ቑም ነገር ዘይብሉ ኸንቱ ኽትዕ ግና፥ ካባኻ ኣርሕቆ፤ እቶም ነዙይ ዘዘውትሩ፥ ካብ እግዚኣብሄር እናረሓቑ እዮም ዝኸዱ እሞ። ትምህርቶም እናሰፍሐ ኸም ዝኸይድ፥ ዝባላዕ ቝስሊ እዩ፤ ኣብ መንጎኦም ሄሜኔዎስን ፊሊጦስን ዝበሃሉ ይርከብዎም። ንሳቶም ካብ ሓቂ ርሒቖም “ትንሳኤ ሙታን ቅድሚ ሕዚ ኾይኑ እዩ” እናበሉ፥ እምነት ብዙሓት ሰባት የናውፁ ኣለዉ። ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ። እምበኣር፥ ካብ ኵሉ ኽፍኣት፥ ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንፁህ ልቢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፅውዕዎ ኸዓ፥ ኣሰር ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ሰላምን፥ ሰዓብ። ባእሲ ኸም ዘምፅእ ፈሊጥካ፥ ካብቲ ናይ ዕሽነትን ከንቱ ኽርክርን ረሓቕ። ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ምስ ኵሉ ለዋህ፥ ንምምሃር ብቕዓት ዘለዎ፥ ዕጉስ ክኸውን ደኣ እምበር፥ ተበኣሳይ ክኸውን ኣይግብኦን እዩ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ፥ ንስሃ ኽኣትዉ ዕድል ክህቦም ይኸውን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነቶም ተፃረርቲ፥ ብህድኣት ዝእርሞም ክኸውን ኣለዎ። ንሳቶም ከዓ፥ ካብቲ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሉ፥ ኣሲርዎም ዝነበረ መፈንጠር ዲያብሎስ ኣምሊጦም፥ ናብ ልቦም ክምለሱ እዮም። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክኾኑ እዮም፤ ፈተውቲ ገንዘብ፥ ትምክሕተኛታት፥ ትዕቢተኛታት፥ ተፃረፍቲ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥ ዘየመስግኑ፥ ቅድስና ዘይብሎም፥ ርህራሀ ዘይብሎም፥ ፍቕሪ ዘይብሎም፥ ይቕረ ዘይብሉ፥ ሓመይቲ፥ ርእሶም ዘይቈፃፀሩ፥ ጨካናት፥ ሰናይ ዘይፈትዉ፥ ኸዳዓት፥ ህዉኻት፥ መን ከማይ በሃልቲ፥ ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ፍቕሪ ተድላ ዓለም ኣብሊፆም ዝፈትዉ፥ ስርዓት ኣምልኾ ኣለዎም፤ ነቲ ሓይሉ ግና ዝኸሓዱ እዮም እሞ፥ ካብዚኣቶም ረሓቕ። እዚኣቶም፥ ናብ ገዛ ሰብ ሸሊኾም ብምእታው፥ ነተን ሓጢኣት ዝመልአን፥ ብዝተፈላለየ ፍትወት ዝደፋፍኣ ኣንስቲ፥ ዝማርኹ ሰባት እዮም። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ኵልሻዕ ዝመሃራ፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽበፅሓ ግና፥ ከቶ ዘይኽእላ እየን። ከምቲ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ንሙሴ ዝተቓወምዎ፥ እዞም ኣእምሮኦም ዝተበላሸወ፥ ኣብ እምነቶም ፅንዓት ዘይብሎም ሰባት ድማ፥ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። ግና ኸምቲ ናይ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ዕሽነት ንዅሉ ዝተገልፀ፥ ናይ እዚኣቶም ዕሽነትውን፥ ንዅሉ ኽግለፅ እዩ፤ ካብኡ ሓሊፎም ግና፥ ዘስልጥዎ የብሎምን። ስደተይ፥ መከራይ፥ ኵሉ እቲ ኣብ ኣንፆኪያን ኢቆንያንን ልስጥራንን ዝበፅሐኒሞ፥ ብትዕግስቲ ዝተቐበልክዎ ስደት ትፈልጥ ኢኻ፤ ጐይታ ግና፥ ካብዝ ዅሉ ኣድሓነኒ። እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ብቕድስና ኽነብሩ ዝደልዩ ዅሎም፥ ብርግፅ ክስጐጉ እዮም። እቶም ክፉኣት ሰባትን መምሰልትን ግና፥ እናኣስሓቱን እናሰሓቱን፥ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ክበፅሑ እዮም። ንስኻ ግና፥ በቲ ዝተምሃርካዮን ዝተረዳእኻዮን ፅናዕ። ካብ መን ከም ዝተምሃርካ ትፈልጥ ኢኻ እሞ። ካብ ህፃንነትካ ጀሚርካ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ምድሓን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ፍፁም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ኣፀቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ መፅሓፍ፥ ንትምህርቲ፥ ንተግሳፅ፥ ንምቕናዕ፥ ብመንገዲ ፅድቂ ንምምዓድ፥ ይጠቅም እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ህያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ ዝመፅእ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንግስቱን ብምፅኣቱን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ። ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ። ነቲ ኣእዛኖም ክሰምዖ ዝህንጠዮ ነገር፥ ዝነግርዎም መምህራን ክእክቡ እምበር፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ፥ ንምስማዕ ዘይደልዩሉ ዘመን ክመፅእ እዩ እሞ። ሓቂ ኸይሰምዑውን ኣእዛኖም ዓፅዮም፥ ናብ ተረት ከዘምብሉ እዮም። ንስኻ ግና ዅልሻዕ ጥንቁቕ ኩን፤ ብጊዜ መከራ ፅናዕ፤ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፤ ኣገልግሎትካ ፈፅም። ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ። ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ፥ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝህበኒ ኣኽሊል ፅድቂ ተዳልዩለይ ኣሎ። እዙይውን ንበይነይ ኣይኮነን፤ ነቶም ናቱ ምምፃእ ዝፈትዉ ዅሎምውን እምበር። ጢሞቴዎስ፥ ቀልጢፍካ ናባይ ምፃእ። ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ፥ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም። ሉቃስ በይኑ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ስለ ዝጠቕመኒ፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምሳኻ ተማልኣዮ። ንቲኪቆስ ግና፥ ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ። ክትመፅእ እንተለኻ፥ ነቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ካርፑስ ዝሓደግክዎ ካባን፥ ነቲ መፃሕፍትን፥ ብፍላይ ነቲ ብራናታትን ተማልአለይ። ንሱ ነቲ መልእኽትና ብዙሕ ይፃረሮ እዩ እሞ፥ ንስኻ ድማ ኻብኡ ተጠንቀቕ። መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር፤ ኵላቶም ጠለሙኒ፤ ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን። ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ። እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፥ ሓልዩ ኸዓ፥ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸብቅዐኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ኣርስጦስ ኣብ ቆሮንቶስ ተሪፉ ኣሎ፤ ጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ፥ ሚሊጢን ኣብ ዝበሃል ከተማ ሓዲገዮ ኣለኹ። ቅድሚ ኽረምቲ ንኽትመፅእ ዝከኣለካ ግበር። ኤውግሎስን ጱዴስን ሊኖስን ቀላውድያንን ኣሕዋትናውን፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስካ ይኹን። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ። እዝ እምነት እዙይን፥ እዝ ፍልጠት እዙይን፥ እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ብትእዛዝ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ክእውጅ ብዝሃበኒ ስብከት ገይሩ፥ ንቓሉ ገለፆ። በታ ናይ ኵላትና ዝኾነት እምነት፥ ብሓቂ ወደይ ንዝኾንካ ቲቶ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ካብ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻ ይኹን። ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ፥ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን። ኤጲስ ቆጶስ፥ እኳ ደኣ ተቐባሊ ጋሻ፥ ሰናይ ዝኾነ ዝፈቱ፥ ንባዕሉ ዝመልኽ፥ ቅኑዕ፥ ቅዱስን ብመጠን ዝነብርን ይኹን። ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፥ ነቶም ዝቃወሙውን መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእል፥ በቲ ዝተምሃሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይፅናዕ። ብዙሓት ሰባት፥ ብሕልፊ ኻብቶም “ዝኣመኑ ኣህዛብ ይገረዙ” ዝብሉ ኣይሁድ፥ ዘይእዙዛት፥ ለፍለፍትን መታለልትን ኣለዉሞ። ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ። ሓደ ኻብቶም ናታቶም ነቢያት እኳ “ሰብ ቀርጤስ ኵልሻዕ ሓሰውቲ፥ ክፉኣት ኣራዊት፥ ሃካያት፥ ከብዳማት እዝ ምስክርነት እዙይ ሓቂ እዩ። ስለዙይ ቅኑዕ እምነት ምእንቲ ኽህልዎም፥ ናብ ተረት ኣይሁድን፥ ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዘድሐርሕሩ ሰባትን፥ ከየዘንብሉ ኣፀቢቕካ ገስፆም። ንንፁሃት፥ ኵሉ ነገር ንፁህ እዩ፤ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፥ ኣእምሮኣቶምን ሕሊናኣቶምን ርኹስ ስለ ዝኾነ፥ ንፁህ ዝኾነ ነገር የለን። “ንእግዚኣብሄር ንፈልጦ ኢና” ይብሉ፤ ብተግባሮም ግና ይኽሕድዎ፤ ዘፀይፉን ዘይእዙዛትን፥ ሰናይ ንምስራሕ ዘይበቕዑን እዮም። ንስኻ ግና፥ ህይወት ዝርከቦ ቕኑዕ ትምህርቲ መሃር። ነቶም ኣረጋውያን፥ ጥንቁቓት፥ ክብሮም ዝሕልዉ፥ ለባማት፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብትዕግስትን ጥዑያት ክኾኑ መዓዶም። ነተን ኣረጋውያትውን፥ ከምኡ ብቕድስና ዝነብራ፥ ዘይሓምያ፥ ዘይሰኽራ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንንኡሳት ኣንስቲ ዝምህራ ክኾና መዓደን። እተን ንኡሳት ኣንስትውን፥ ንሰብኡተንን ንውሉደንን ከፍቅራ፥ ርእሰን ዝመልካ፥ ንፁሃት፥ ስድራአን ዝከናኸና፥ ሕያዎት፥ ንሰብኡተን ዝእዘዛ ምእንቲ ክኾና ይምሃራአን። እዙይ ከዓ፥ ቃል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸይፅረፍ እዩ። ነጓብዝውን ከምኡ፥ ርእሶም ዝመልኩ ክኾኑ መዓዶም። እቶም ዝቃወሙ፥ ብዛዕባና ዝብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኽሓፍሩስ፥ ክትምህር እንተለኻ እሙን ብምዃን፥ ብምስትውዓል፥ ነቐፋ ብዘይብሉ ዘረባ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ እናዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም። ነቶም መገልገልቲ ኸዓ፥ ንጐይተቶም ብዅሉ ነገር ክእዘዙ፥ ከሐጕስዎም እምበር ክፉእ ከይምልሱሎም መዓዶም። እቲ ትምህርቲ ናይ መድሓኒና እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኵሉ ቕቡል ምእንቲ ክኸውን፥ ብዅሉ እሙናት ክኾኑ እምበር፥ ሰረቕቲ ኸይኾኑ መዓዶም። እዝ ፀጋ እዙይ፥ ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና፥ ብፅድቅን ብመንፈሳዊ ህይወትን፥ ክንነብር ይምህረና። ከምዙይ ኢልና፥ ነቲ ብሩኽ ተስፋና፥ ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለፅ፥ ንፅበ ኣለና። ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ። እምበኣር ነዝ ነገር እዙይ መሃር፤ ብምሉእ ስልጣን ከዓ፥ መዓድን ገስፅን፤ ሓደኳ ኣይንዓቕካ። ንሓደኳ ኽፉእ ዘይዛረቡ፥ ዘይበኣሱን ምቕሉላትን፥ ምስ ኵሉ ሰብ ድማ፥ ብትሕትና ዝነብሩን ክኾኑ ኣዘኻኽሮም። ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና። ናይቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሕያዋይነትን ፍቕርን ምስ ተገልፀ ግና፥ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና። ብፀጋኡ ፀዲቕና፥ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን፥ ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንመንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዙይ እሙን ዘረባ እዩ። ነቶም ብእግዚኣብሄር ዝኣመኑ፥ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኽተግሁ፥ ነዙይ ኣፀቢቕካ ኽተረድኦም እደሊ ኣለኹ። እዙይ ፅቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ። ንስኻ ግና ኻብ ናይ ዕሽነት ክርክርን፥ ካብ ትውልዲ ምቝፃርን፥ ጐይቊን፥ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ ዝለዓል፥ ክትዕን ባእስን ረሓቕ፤ እዙይ ጥቕሚ ዘይብሉን ከንቱን እዩ እሞ። ነቲ ምፍልላይ ዝፈጥር ሰብ፥ ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ ምስ መኸርካዮ፥ እንተ ኣበየ ኻብኡ ረሓቕ። ከምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ዝተበላሸወን ሓጥእን እዩ፤ ባዕሉ ንባዕሉውን ዝዀነነ ሰብ ምዃኑ ፍለጥ። ንዜናስ ፈላጢ ሕግን ንኣጵሎስን፥ ኣብ መገሻኦም ዝኾነ ነገር ከይጐድሎም ብዝከኣለካ ሓግዞም። እቶም ናትናውን፥ ዕለታዊ ምግቦም ባዕልቶም ክሓልዩ፥ ሰናይ ስራሕ ክሰርሑ ደኣ ይመሃሩ እምበር፥ ብዘይ ፍረ ኣይንበሩ። ፀጋ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ናብቲ ፍቑርን መሳርሕትናን ዝኾነ ፊልሞና፥ ናብ ኣፍብያ ሓፍትናን፥ ናብቲ ምሳና ዝጋደል ኣክርጳን፥ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ኵሉ ጊዜ ንኣምላኸይ አመስግን። እዙይ ከዓ፥ ንቕዱሳን ከም እተፍቅርን፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ከም እተኣምንን ስለ ዝሰማዕኹ እየ። ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሰናይ ነገር ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትርዳእ፥ ነቲ ዘለካ እምነት ብትብዓት ክተካፍሎ እፅሊ ኣለኹ። ኣታ ሓወይ፥ ልቢ ቅዱሳን ስለ ዘፀናናዕኻ፥ ብፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ምትብባዕን ረኺበ ኣለኹ። ስለዙይ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብዘለኒ ብዙሕ ትብዓት፥ ነቲ ኽትገብሮ ዝግብአካ፥ ክእዝዘካ ዝኽእል እኳ እንተ ኾንኩ፥ ኣነ ጳውሎስ፥ ሽማግለ፥ ሕዚ እውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር፥ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለኹ፥ ብክርስቶስ ዝወለድክዎ ወደይ ኣናሲሞስ፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፤ ሕዚ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ። ነቲ ብልቢ ዘፍቅሮ ኣናሲሞስ፥ መሊሰ ናባኻ እሰዶ ኣለኹ። ኣነ እኳ፥ ወንጌል ብምስባኸይ ተኣሲረ ኣብ ዘለኹሉ፥ ክንዳኻ ኾይኑ ኸገልግለኒ፥ ምሳይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ። ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ፥ ብድልየትካ እምበር፥ ብግዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይደለኹን። ኣናሲሞስ ንሓፂር ጊዜ ዝተፈለየካ፥ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምሳኻ ምእንቲ ኽነብር እዩ ዝኸውን። ደጊም ከም ባርያ ኣይኮነን፤ ብፍላይ ነኣይ፥ ፍቑር ሓው ካብ ኮነ፥ ንኣኻ ግዳ ብስጋን ብጐይታን፥ ካብ ባርያ ዝበለፀ፥ ፍቑር ሓው ከመይ ዘይኾነካ! እምበኣር ከም ሓው ትሪአኒ እንተ ዄንካስ፥ ንኣይ ከም እትቕበለኒ ጌርካ ተቐበሎ። እንተ በዲሉካ ወይ ንሱ ዝኸፍለካ ዕዳ እንተ ሃልዩ፥ ካባይ ድለዮ። ኣነ ጳውሎስ፥ ክንድኡ ክኸፍለካ እየ ኢለ፥ ብኢደይ እፅሕፈልካ ኣለኹ። ንስኻውን በዓል ዕዳይ ከም ዝኾንካ ምዝራብ ኣየድልየንን እዩ። እወ፥ ኣታ ሓወይ፥ ካባኻስ ብጐይታ ኽጥቀም እደሊ ኣለኹሞ፥ ብክርስቶስ ንልበይ ኣዕርፈለይ። ካብዝ ዝብለካ ዘለኹ ኣብሊፅካ ኸም እትገብር ፈሊጠ፥ ከም እትእዘዘኒውን ኣሚነ እየ ዝፅሕፈልካ ዘለኹ። ከምኡውን እግዚኣብሄር ፀሎትኩም ሰሚዑ፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ከም ዝገብረኒ፥ ተስፋ ኣለኒ እሞ ስፍራ ኣዳልወለይ። ከምኡውን እቶም መሳርሕተይ ዝኾኑ ማርቆስ፥ ኣርስጠርኮስ፥ ዴማስ፥ ሉቃስ፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን። ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና። ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ። ዝበሎ ንመን እዩ? “ኵላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሄር ይስገዱሉ” ንኣገልገልቱውን ነበልባል ሓዊ ይገብሮም” ይብል። በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ። ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ” ይብል። ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ንሳቶም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤ ንዘመናትካውን መወዳእታ የብሉን” ይብል። ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ ንሓደኳ የለን። ነቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቓል፥ ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ኻብ ኮነ፥ ኵሉ ዝብድልን ዘይእዘዝንውን፥ ፍርዱ ዝቕበል ካብ ኮነ፥ ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድሕነት ሸለል ክንብል እንተለና፥ ከመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድሕነት፥ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊፁልና እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ ብምልክትን ብዘደንቕ ነገራትን፥ በብዓይነቱ ብዝኾነ ተኣምራትን፥ በቲ ኸም ፍቓዱ ዝዕድሎ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ፥ ምስክርነቶም ኣፅኒዑ እዩ። ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘለና እትመፅእ ዓለምስ፥ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን። ወይ ንስኻ ኽትሓልየሉኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?” ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸዓ ሸምካዮ፤ ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ። እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝተፈጥረ፥ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኸእትዎም፥ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ፥ ብመከራ ፍፁም ክገብሮ ተገብኦ። ስለ ዝብል “ኣሕዋተይ” ክብሎም ኣይሓፍርን እዩ። “ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ውሉድን እኒሀና” ይብል። እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሓት፥ ምሉእ ዕድመኣቶም ብባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኸዓ፥ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ። ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር፥ ንመላእኽቲ ኸድሕን ኣይመፀንሞ። ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኽፍተን እንተሎ ተሳቕዩ እዩ እሞ፥ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ። እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ። ከምቲ ሙሴ ኣብ ኵሉ ቤቱ እሙን ዝነበረ፥ ንሱውን ነቲ ዝሸሞ እሙን ነበረ። ካብቲ ገዛ፥ ነቲ ገዛ ዝሰርሕ ዝበለፀ ኽብሪ ኸም ዘለዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብ ሙሴ፥ ኢየሱስ ዝበለፀ ኽብሪ ኣለዎ። ንሕድሕድ ገዛ፥ ሰብ ይሰርሖ፤ እቲ ንዅሉ ዝሰርሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ። ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ። ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና። “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ። ነርብዓ ዓመት ከዓ ግብረይ ረአዩ። ንመንገደይውን ኣይፈለጥዎን’ በልኩ። ኢለ መሓልኩ።” ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። እኳ ደኣ፥ “ሎሚ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው፥ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር፥ በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ። ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን። ልብኹም ኣይተትርሩ” ዝበሎ እዩ። ነርብዓ ዓመት ዝተቘጥዖምከ እንመን እዮም? እቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ፥ ሬሳኦም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐዶ ኣይኮኑን? “ናብ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም” ኢሉ ዝመሓለሎምከ እንመን ድዮም? እቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮኑን? ብሰንኪ ዘይምእማኖም ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን ንርኢ ኣለና። ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም፥ ንኣናውን ብስራት ተሰቢኹልና እዩሞ፤ እንተ ኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፥ ብእምነት ስለ ዘየዋሃድዎ ኣይጠቐሞምን። ንሕና እንኣምን ግና፥ ናብ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ኢና። ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ” ይብል። ኣይኣትዉን እዮም” ይብል። እምበኣር ኣብዛ ዕረፍቲ እዚኣ ዝኣትዉ ሰባት ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ቅድም ብስራት ዝሰምዑ ግና፥ ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ኣይኣተዉዋን። ኢልዎ ዝነበረ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ብኣፍ ዳዊት ገይሩ መሊሱ “ሎሚ” እናበለ ብምዝራቡ፥ ኢያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዝኸውንስ፥ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። እምበኣር ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ። እቲ ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ካብ ስራሑ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ስራሑ የዕርፍ እዩ እሞ። ስለዙይ፥ ሓደኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ፥ ናብቲ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ንፅዓር። ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ። እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና፥ እምነትና ኣፅኒዕና ንሓዝ። ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን። እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ። ንሱ ባዕሉ ድኽመት ዘለዎ ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ዘይፈልጡን ዝተጋገዩን ክርህርሀሎም ይኽእል እዩ። ሰለዙይ ድማ ኸምቲ ምእንቲ ህዝቢ፥ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ፥ ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ኸቕርብ ይግብኦ። ከም ኣሮን ብእግዚኣብሄር ዝተፀውዐ እምበር፥ ነዝ ኽብሪዙይ ባዕሉ ኽረኽቦ ዝኽእል ሓደኳ የለን። ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” በሎ እምበር። ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” በሎ። ውሉድ እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ። ስራሑ ምስ ፈፀመ ድማ፥ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም። እግዚኣብሄር ከዓ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ሊቀ ካህናት ገይሩ ሸሞ። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ እንብሎ ብዙሕ ነይሩና፤ እንተ ኾነ፥ ኣእዛንኩም ንምስማዕ ዝደንዘዛ ስለዝኾና፥ ብቓል ክንገልፆ ኣፀጋሚ እዩ። ኻብ ዝኣመንኩምሉ ኽሳዕ ሕዝስ፥ መምህራን ክትኮኑ እኳ ምተገበአኩም ነይሩ፤ ገና ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ዝምህረኩም የድልየኩም ኣሎ። ፀባ ደኣ እምበር፥ ዕፁም ምግቢ ኣየድልየኩምን እዩ። ኵሉ ፀባ ዝምገብ ህፃን ስለ ዝኾነ፥ ብዛዕባ ናይ ፅድቂ ነገራት ክፈልጥ ኣይኽእልን። ዕፁም ምግቢ ግና፥ ነቶም ፅቡቕን ክፉእን ንምፍላይ፥ ንባዕላቶም ንዘላመዱ ንዓበይቲ እዩ። ስለዙይ ናይ ክርስቶስ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ሓዲግና፥ ናብ ፍፃሜ ንሕለፍ። ብዛዕባ ኻብቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ግብሪ ብንስሃ ምምላስ፥ ብዛዕባ ብእግዚኣብሄር ምእማን፥ ብዛዕባ ጥምቀት፥ ብዛዕባ ኢድ ኣንቢርካ ምፅላይ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ምውታን፥ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ፍርዲ ዝምልከት፥ መሊስና መሰረት ክንምስርት ኣየድልን። እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱስ፥ እዙይ ክንገብር ኢና። ነቲ ሰናይ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሄርን፥ ሓይሊ ናይታ እትመፅእ ዓለምን ዝጠዓሙ፥ ዝኣመንዎ እንተ ኽሒዶም፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ብፍቓዶም መሊሶም ስለ ዝሰቕልዎን፥ ብገሃድ ስለ ዘላግፁሉን፥ ብንስሃ ኽምለሱ ኣይከኣልን እዩ። እታ ብዙሕ ጊዜ፥ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም እትሰቲ ምድሪ፥ ነቶም ዝሓርስዋ ዝጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፥ ካብ እግዚኣብሄር በረኸት ትረክብ። እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፥ ንመርገም ዝቐረበት፥ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ እያ፤ መወዳእታኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ምንዳድ እዩ። ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋትና፥ ከምዙይ ኢልና እንተ ተዛረብና እኳ፥ ብዝበለፀ ዝሐሸን፥ ንድሕነት ዝኸውን ከም ዝኾነን፥ ተረዲእና ኣለና። እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍኩም እቲ ተስፋኹም ምእንቲ ኽፍፀመልኩም፥ ክሳዕ መወዳእታ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ትግሃት ክተርእዩ ንደሊ ኣለና። ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን፥ ነታ ተስፋ ዝወረሱ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፥ ሃካያት ክትኮኑ ኣይንደልን ኢና። ኣብርሃም ድማ ብትዕግስቲ ተፀብዩ፥ ነታ ተስፋ ረኸባ። ሰባት ካብኣቶም ብዝዓቢ ይምሕሉ፤ እቲ ማሕላ ኸዓ፥ ነቲ ዝተብሃለ የፅንዖ፤ ንዅሉ ኽርክር ከዓ ይውድኦ። ስለዙይውን እግዚኣብሄር፥ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ፥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብገሃድ ከርእዮም ምስ ደለየ፥ ብማሕላ ኣረጋገፀሎም። እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና። እዛ ተስፋ እዚኣ፥ ድልድልትን ፅንዕትን ዝኾነት፥ ናይ ህይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ሓሊፋ፥ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበፅሕውን ኢየሱስ ድማ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ፥ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ እዩ። ኣብርሃም ድማ፥ ካብቲ ዅሉ ዝማረኾ ኣስራት ሃቦ። ቅድም ትርጕም ስሙ “ንጉስ ፅድቂ” ማለት እዩ፤ ደሓርውን “ንጉስ ሳሌም” እዙይ ድማ “ንጉስ ሰላም” ማለት እዩ። መልከ ፄዴቅ፥ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሃረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ህይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ካህን ኮይኑ ይነብር። እዝ ሰብዙይ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኸም ዝኾነ እስኪ ረአዩ! እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ኣብርሃም እኳ፥ ኣስራት ናይቲ ዝማረኾ ሃቦ። እቶም ክህነት ዝቕበሉ ደቂ ሌዊ ግና፥ ካብ ህዝቢ፥ ካብቶም ኣሕዋቶም ዝኾኑ ደቂ ኣብርሃም፥ ኣስራት ክወስዱ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ። መልከ ፄዴቅ ግና፥ ካብ ሌዊ እኳ እንተ ዘይተወለደ፥ ካብ ኣብርሃም ኣስራት ተቐበለ፤ ንሱውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣብርሃም ባረኾ። እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ከም ዝባርኾ ፍሉጥ እዩ። በዝ ሓደ ወገን ነቲ ኣስራት፥ እቶም መወትቲ ዝኾኑ ሌዋውያን ይወስድዎ፤ በቲ ሓደ ወገን ከዓ፥ እቲ ህያው ኮይኑ ኸም ዝነብር ዝተመስከረሉ ይወስዶ። ወይ ድማ ኸምዙይ ክንብሎ ንኽእል፦ እቲ ኣስራት ዝቕበል ሌዊ እኳ፥ ብኣብርሃም ገይሩ ኣስራት ሃበ፤ መልከ ፄዴቅ ንኣብርሃም ክራኸቦ እንተሎ፥ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣብርሃም ኣቦኡ እዩ ነይሩ እሞ። ክህነት ክልወጥ እንተሎ፥ ሕጊ እውን ናይ ግድን ክልወጥ ኣለዎ። እዝ ብዛዕባኡ ተዘሪቡሉ ዘሎ ጐይታና፥ ካብ ካልእ ዓሌት እዩ፤ ካብዝ ዓሌት እዙይ ሓደኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የለን። ጐይታና ኢየሱስ፥ ካብቲ ሙሴ ብዛዕባ ክህነት ክዛረብ እንተሎ ዘይተዛረበሉ፥ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኸም ዝተወለደ ፍሉጥ እዩ። ሕዚ ኸዓ ኸም መልከ ፄዴቅ ዝበለ፥ ካልእ ካህን ክትስእ እንተሎ፥ እቲ ነገር ኣፀቢቑ ይገሃድ። “ንስኻ ኸም መልከ ፄዴቅ፥ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ኢሉ ስለ ዝመስከረሉ ኸዓ፥ እቲ ኽህነቱ ምድራዊ ስርዓት ኣብ ዝሓገጎ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይሓልፍ ሓይሊ ህይወት ዝተመስረተ እዩ። እቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ፥ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝኾነ እዩ ዝተስዓረ። ሕጊ ሙሴ፥ ንሓደኳ ኣብ ፍፃሜ ዘብፅሖ የለን እሞ። ሕዚ ግና ናብ እግዚኣብሄር እንቐርበሉ፥ ዝበለፀ ተስፋ መፂኡልና ኣሎ። እዝ ኽህነት እዙይ ብዘይ ማሕላ ኣይኮነን። እቲኣቶም ብዘይ ማሕላ እዮም ካህናት ዝኾኑ ዝነበሩ። “እግዚኣብሄር፥ ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ከምኡውን ኢየሱስ፥ ናይታ ዝበለፀት ኪዳን ዋሕስ ኮነ። ብኽህነት ኵልሻዕ ከየገልግሉ ሞት ስለ ዝኸልከሎም፥ እቶም ቀዳሞት ካህናት ብዙሓት ነበሩ። ኢየሱስ ግና ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝኾነ፥ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ። ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ። ንሱ ንሓዋሩ፥ ሓደ ጊዜ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩ እሞ፥ ከምቶም ካልኦት ሊቃነ ካህናት፥ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፥ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ፥ በብመዓልቱ መስዋእቲ ኸቕርብ ኣየድልዮን እዩ። ሕጊ ሙሴ፥ ነቶም ድኽመት ዘለዎም ሰባት፥ ሊቃነ ካህናት ገይሩ ሸሞም፤ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመፀ ቓል ማሕላ ግና፥ ነቲ ንዘለኣለም ፍፁም ዝኾነ ወልድ ሸመ። እምበኣር እቲ ኽንብሎ ዝደለና ቑም ነገር እዙይ እዩ፦ ንሕናስ ኣብ ሰማያት፥ ኣብ የማን ዙፋን ልዑል እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ ሊቀ ካህናት ኣለና። ንሱ ኣብታ ሰብ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ዝተኸላ መቕደስን፥ ናይ ብሓቂ ድንኳንን እዩ ዘገልግል። እምበኣርከስ ኣብ ምድሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም፥ መባእ ዘቕርቡ ካህናት ስለ ዘለዉ፥ ንሱ ኸቶ ካህን ኣይምኾነን ነይሩ። እዚኣቶም ንምስልን ፅላሎትን፥ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መቕደስ ዘገልግሉ እዮም። ስለዙይ ከዓ እዩ ንሙሴ ድንኳን ክገብር እንተሎ፥ “ኵሉ ኸምታ ኣብ እምባ ዝረአኻያ ምስሊ ጌርካ ተጠንቂቕካ ስራሕ” ዝበሎ። ሕዚ ግና እታ ኢየሱስ ማእኸላይ እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ነቐፋ እንተ ዘይርከባስ፥ እታ ኻልአይቲ ኣይመድለየትን ነይራ። ይብል እግዚኣብሄር። ይብል እግዚኣብሄር። ይብል እግዚኣብሄር። ሓው ንሓዉ ኣይምህሮን፤ ንሓጢኣቶምውን ድሕሪዙይ ኣይዝክሮን እየሞ።” ነታ ቐዳመይቲ ኺዳንውን፥ ናይ ኣገልግሎት ስርዓትን ምድራዊ መቕደስን ነበራ። ድንኳንውን ተተኺሉ ነበረ፤ እታ “ቅድስቲ” ተብሂላ እትፅዋዕ፥ ቅድም እትርከብ ክፍሊ ድማ፥ ቀዋሚ ቐንዲልን ጠረጴዛን ሕብስቲ ቝርባንን ነበራ። ድሕሪ እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ንንየው ዘላ ኽፍሊ ድማ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ትብሃል ነበረት። ኣብ ውሽጣ ብወርቂ ዝተሰርሐ ማዕጠንትን፥ ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ። ኣብ ውሽጣ መና ዝሓዘት መሶበ ወርቅን፥ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን፥ ፅላት ኪዳንን ዝሓዘት ነበረት። ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ከዓ፥ ነቲ ስርየት ሓጢኣት ዘፅልሉ፥ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። እንተ ኾነ ሕዚ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ኣስፊሕና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን። እታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ድንኳን ቆይማ ኽሳዕ ዘላ፥ እቲ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ዘእቱ መንገዲ፥ ገና ኸም ዘይተገለፀ መንፈስ ቅዱስ የርኢ ኣሎ። እዙይ፥ ናይዝ ዘመን እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መባእን መስዋእትን ከዓ፥ ናይቲ ዘቕርብ ሰብ ሕሊና ኸንፅህ ከም ዘይኽእል የመልክት። እዙይ እቲ ዘመን ምሕዳስ ክሳዕ ዝመፅእ ዝግበር፥ ናይ ብልዕን መስተን፥ ናይ በብዓይነቱ ዝኾነ፥ ናይ ምንፃህ ኣፍኣዊ ስርዓት ጥራሕ እዩ ነይሩ። ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ሒዙ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ደም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ኣተወ። ደም ኣጣልን ዝራብዓትን፥ ናይታ ዝሓረረት ዓርሒ ሓመዅሽትን፥ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነፂጉ፥ ሰብነቶም ኣንፂሁ ዝቕድሶም ካብ ኮነ፥ ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ! ኑዛዜ እንተ ሃልዩ፥ ናይቲ ዝተናዘዘ ሰብ ሞት ምርግጋፅ የድሊ እዩ። ኑዛዜ ድሕሪ ሞት እዩ ዝፀንዕሞ። እቲ ዝተናዘዘ፥ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ግና ዝጠቕሞ የብሉን። ስለዙይውን እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ክትስራዕ እንተላኳ፥ ብዘይ ደም ኣይፀንዐትን። ሙሴ ድማ፥ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፥ ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ሓዊሱ፥ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን፥ ብቘፅሊ ስምዕዛን ገይሩ፥ “እግዚኣብሄር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም፥ ብደም ዝተሰርዐ ኺዳን እዙይ እዩ” እናበለ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቶም ህዝብን ነፀገሎም። ከምኡ ድማ፥ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ኣገልግሎት ኣቕሑን ደም ነፀገሉ። ከምቲ ሕጊ ዝሰርዖ፥ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዝነፅህ፤ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን፥ ስርየት ሓጢኣት የለንሞ። ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና፥ ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር፥ ናብታ ብኢድ ዝተገብረት፥ ናይታ ምስሊ ናይ ብሓቂ መቕደስ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን። ከምቲ ሊቀ ካህናት በብዓመት፥ ናይ ካልእ ደም ሒዙ ናብ መቕደስ ዝኣቱ፥ ክርስቶስ ንባዕሉ ብዙሕ ጊዜ ከቕርብ ኣይኣተወን። ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ። ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥ ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፥ ደጊም ንሓጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፅበይዎ ኸድሕኖም፥ ካልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለፅ እዩ። እቶም መስዋእቲ ዘቕርቡ፥ ነፂሆም እንተ ዝኾኑ፥ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ሕሊናኦም ኣይምወቐሶምን ነይሩ፤ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብውን መዕረፉ ነይሮም። እንተ ኾነ፥ እቲ በብዓመት ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ሓጢኣት ከም ዘሎ ዘዘክር እዩ። ደም ዝራብዓትን ኣጣልን፥ ሓጢኣት ከርሕቕ ኣይኽእልን እዩ እሞ። እንተ ኾነ ስጋ ኣዳሎኻለይ። በቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ደስ ኣይበለካን። እንሆ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ’ በልኩ።” ኣቐዲሙ ሕጊ ዝእዝዝ እንተ ኾነ እኳ፥ “መስዋእትን መባእን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይደለኻን፤ ብእኡውን ደስ ኣይበለካን” ይብል። ኣስዒቡ ኸዓ “እንሆ ኣምላኸይ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ” ይብል። ነታ ዳሕረወይቲ ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ነታ ቐዳመይቲ ሰዓራ። በዝ ፈቓድ እዙይ፥ በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ዝኣክል፥ እተሰውአ መስዋእቲ ስጋ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተቐዲስና ኣለና። ክርስቶስ ግና፥ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸውን መስዋእቲ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፥ እቶም ፀላእቱ፥ መርገፂ እግሩ ኽሳዕ ዝኾኑ ይፅበ ኣሎ። እዙይ ከዓ ነቶም ዝቕደሱ፥ ብሓደ መስዋእቲ፥ ንዘለኣለም ፍፁማን ገይሩዎም እዩሞ። መንፈስ ቅዱስውን ስለዙይ ይምስክረልና ኣሎ፦ ኣብ ኣእምሮኣቶምውን ክፅሕፎ እየ።” እምበኣር ብኸምዙይ ሓጢኣት ዝሕደግ ካብ ኮነ፥ ካብ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣየድልን እዩ። ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓብዪ ካህን ስለዘለና፥ ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ። እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፥ ስለዙይ ነታ እንፅበያ ተስፋ፥ ብዘይ ምጥርጣር ኣፅኒዕና ንሓዛ። ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን፥ ንስንሳትና ኽንነቓቓሕ ንፅዓር። ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ገይሮምዎ ዘለዉ፥ ብሓባር ምእካብ ኣይንሕደግ፤ እኳ ደኣ ኸምቲ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እታ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ትቐርብ ምህላዋ እናዘከርና፥ ንስንሳትና ብዝበለፀ ንመዓዓድ። ነቲ ሓቂ ምስ ፈለጥናዮ፥ ኮነ ኢልና ሓጢኣት እንተ ገበርና፥ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ የለን፤ ክንድኡ ግና፥ ዘፍርሕ ፍርድን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፃረሩ ዘንድድ ብርቱዕ ሓዊን ኢና ብራዕዲ እንፅበ። ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር፥ ብዘይ ምሕረት ይቕተል ነበረ። ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም! ዝበለ፥ ንፈልጦ ኢናሞ። ኣብ ኢድ እቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ምውዳቕ፥ የመና ዘፍርሕ እዩ። ብሓደ ወገን፥ ፀርፍን ውርደትን ተቐበልኩም፤ ብሓደ ወገን ከዓ፥ ምስቶም ከምዙይ ዝመሰለ ዝበፅሖም ሰባት ተኻፈልቲ ኾንኩም። ዝሐሸን ንዘለኣለም ዝነብርን ሃብቲ፥ ኣብ ሰማይ ከም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ነቶም እሱራት ራህራህኹምሎም፤ ንብረትኩም እንትውረርውን ብሓጐስ ተቐበልኩምዎ። እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ። ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ። ኣይድንጕን ከዓ እዩ፤ ነፍሰይ ብእኡ ደስ ኣይብላን እዩ” ይብል እዩ እሞ። ነቶም ዓበይቲ እውን፥ በዙይ እዩ ዝተመስከረሎምሞ። ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ዅሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ፥ እግዚኣብሄር ከም ዘሎን፥ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ፥ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ። ነታ እግዚኣብሄር ዝሓናፂኣን ዝሰራሒኣን፥ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይፅበ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ፥ ከም ጓና ኾይኑ ተቐመጠ፤ ምስቶም ናይዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን ያእቆብን ከዓ፥ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ስለዙይውን ካብቲ ኸም ምዉት ተቘፂሩ ዝነበረ ኣብርሃም፥ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ብዙሓትን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ፥ ክቝፀሩ ዘይኽእሉን ተወለዱ። እዞም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት፥ ንኣኣቶም እትኸውን ሃገር ይፅበዩ ኸም ዘለዉ የርእዩ ኣለዉ። ነታ ሓዲጎምዋ ዝወፁ ሃገር ይሓስቡ ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ክምለሱ ምኸኣሉ ነይሮም። ሕዚ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት፥ ዝበለፀት ሃገር እዮም ዝናፍቑ ዘለዉ። እግዚኣብሄር ከተማ ስለ ዘዳለወሎም ድማ፥ ኣምላኾም ተብሂሉ ኽፅዋዕ ኣየሕፍሮን እዩ። ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ከተስኦ ኸም ዝኽእል ብምእማኑ፥ ካብ ሞት ከም ዝተስአ ኾይኑ፥ ንይስሓቅ መሊሱ ረኸቦ። ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ወዲ ጓል ፈርዖን ከይበሃል፥ ብእምነት ኣበየ። ብሓጢኣት ካብ ዝርከብ ጊዜያዊ ደስታ፥ ምስ ህዝቢ እግዚኣብሄር መከራ ኽቕበልውን መረፀ። ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል፥ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘፀሮ። እቲ በዅሪ ዝቐስፍ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቐርቦም፥ ብእምነት ስርዓት ፋሲካን ምንፃግ ደምን ገበረ። ቅፅሪ ኢያሪኮ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፥ ብእምነት ፈረሰ። ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ብእምነት ነቶም ሰለልቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም፥ ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን። ንሳቶም ብእምነት ንመንግስታት ሰዓሩ፤ ብቕንዕና መርሑ፤ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ረኸቡ፤ ኣፍ ኣናብስ ዓፀዉ፤ ሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፤ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደሓኑ፤ ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ሓየሉ፤ ሰራዊት ፀላእቲ ሰዓሩ፤ ኣንስቲ፥ ምዉታተን ካብ ሞት ተሲኦምለን ተቐበላኦም፤ ካልኦት ግና ዝበለፀ ትንሳኤ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ምሕረት እንተይተቐበሉ ተሳቕዮም ሞቱ። ገሊኣቶም ድማ ብላግፅን ብመግረፍትን፥ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ብመቝሕን ብማእሰርትን ተሳቐዩ። ብእምኒ ተቐጥቂጦም ተቐተሉ፤ ብመጋዝ ተመገዙ፤ ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቕዕ ስለ ዝኾነት፥ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ። እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዝሐሸ ስለ ዝወሰነ፥ ብዘይ ብኣና ናብ ፍፃሜ ምእንቲ ኸይበፅሑ፥ እዚኣቶም ኵላቶም፥ ብእምነት ዝተመስከረሎም እኳ እንተ ኾኑ፥ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን። ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት። ምስ ሓጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም፥ ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበፅሑ ኣይተቓወምኩምን። እንተ ቐፅዐካውን ተስፋ ኣይትቝረፅ፤ ነቲ ኸም ወዱ ዝተቐበሎውን ይቐፅዖ።” ከምቶም ኵሎም ውሉድ፥ መቕፃዕቲ እንተ ዘይተቐቢልኩም ግና፥ ድቓሉ ደኣ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን። ኣብ ልዕሊዙይ ብስጋ ዝወለዱና ኣቦታት ዝቐፅዑና ኻብ ኮኑ፥ ንሕናውን እነኽብሮም ካብ ኮንና፥ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ፥ ከመይ ኣብሊፅና ኽንእዘዞ ዘይግበአና! ስጋውያን ኣቦታትና፥ ንቑሩብ ጊዜ ኸምቲ ፅቡቕ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ገይሮም ይቐፅዑና፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ናይ ቅድስናኡ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ንጥቕምና ይቐፅዐና። ኵሉ ቕፅዓት፥ ንጊዜኡ የሕዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግስቲ ንዝተቐበልዎ ግና፥ ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ፥ ናይ ፅድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም። “ዝሕንክስ ክሓዊ እምበር፥ ዝገደደ ምእንቲ ኸይዘናበልስ፥ ነእጋርኩም ቅኑዕ መንገዲ ግበሩ።” ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ። ሓደኳ ዘማዊ ዝኾነ፥ ወይ ከምቲ ንሓንቲ ጊዜ ኽበልዕ ኢሉ፥ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፥ መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ። ኤሳው ፀኒሑ ነታ በረኸት ክወርስ እኳ እንተ ደለያ፥ ኣይተውሃቦን፤ ብንብዓትውን እንተ ደለያ፥ ንንስሃ ዝኸውን ጊዜ ኸም ዘይረኸበ ትፈልጡ ኢኹም። “እንስሳ እኳ፥ ነቲ እምባ እንተ ነኽአ፥ ብእምኒ ተቐጥቒጡ ይቀተል” ዝብል ትእዛዝ ኽፆርዎ ኣይከኣሉንሞ። እቲ ትርኢት፥ ክሳዕ ክንድዙይ ዘፍርሕ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሙሴ “እፈርሕን እርዕድን ኣለኹ” በለ። ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተፅሓፈ፥ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን፥ ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም። ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም። እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል? ሽዑ ድምፁ ንምድሪ ኣናወፃ፤ ሕዚ ግና “ንምድሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሰማይውን ሓንሳእ ደጊመ ኸናውፆ እየ” ኢሉ ተስፋ ሂቡ እዩ። “ሓንሳእ ደጊመ” ዝብል ቃል ከዓ፥ እቲ ዝናወፅ ኵሉ ኸም ዝሓልፍ፥ እቲ ዘይናወፅ ድማ ፀኒዑ ኸም ዝነብር ከመልክት ኢሉ እዩ። እምበኣር ዘይትናወፅ መንግስቲ ስለ እንቕበል፥ ብፍርሓትን ኣኽብሮትን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ እናበልና፥ ንእኡ እነምልኸሉ ፀጋ ንሓዝ። ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ እሞ። ሕውነታዊ ፍቕሪ ይሃሉ። ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ፤ ገሊኣቶም እንተይፈለጡ፥ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ዝተቐበሉ ኣለዉሞ። ንእሱራት፥ ምስኣቶም ከም ዝተኣሰርኩም ኴንኩም፥ መከራ ንዝተቐበሉውን፥ ከምኣቶም መከራ ኸም እትቕበሉ ዘለኹም ኴንኩም ዘክርዎም። መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር ይኹን፤ እቲ ዓራት ኣሚን ከዓ ኣይርከስ። እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን። ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ፥ ልብኹም ብፀጋ እንተ ፀንዐ ሰናይ እዩ እሞ። እቶም ነታ ድንኳን ዘገልግሉ፥ ካብኡ ኽበልዑ ዘይግብኦም፥ ንኣና መሰውኢ ኣለና። እቲ ሊቀ ካህናት፥ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝውፈ ናይ እንስሳታት ደም ሒዙ፥ ናብ ቕድስተ ቅዱሳን ይኣቱ። እቲ ስጋ ግና ኻብ ሰፈር ወፃኢ ይቃፀል ነበረ። ኢየሱስውን ንህዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኽቕድስ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ መከራ ተቐበለ። እምበኣር ንሕናውን፥ ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ። ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን። እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ። ሰናይ ምግባርን፥ ዘለኩም ንኻልኦት ምክፋልን ኣይትረስዑ፤ ከምዙይ ዝበለ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር የሕጕሶ እዩ እሞ። ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ። ብዝበለፀ እኳ፥ ናባኻትኩም ቀልጢፈ ምእንቲ ኽምለስ፥ ክትፅልዩለይ እልምነኩም ኣለኹ። ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ነዝ ኣሕፅር ኣቢለ ፅሒፈልኩም ዘለኹ ቓል ምዕዳን፥ ብትዕግስቲ ኽትቅበልዎ እልምነኩም ኣለኹ። ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም ዝተፈትሐ ፍለጡ፤ ንዅሎም መራሕትኹምን ንዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝኾኑ፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ፀጋ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን። እምነትኩም እንትፍተን፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅአልኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ። ሓደኳ ዘይጐድለኩም ፍፁማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ እታ ትዕግስቲ ፍፁም ግብሪ ይሃልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተ ሃልዩ፥ ነቲ እንተይነቐፈ፥ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ እግዚኣብሄር ይለምኖ፤ ንሱውን ክህቦ እዩ። እቲ ዝልምን ግና፥ እንተይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፤ እቲ ዝጠራጠር፥ ከምቲ ንፋስ ንየው ነዘው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል። እዝ ኸምዙይ ዝመስል፥ ኣብ ኵሉ መንገዱ ፅንዓት ዘይብሉ፥ ክልተ ዝልቡ ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ሓደኳ ዝቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ሃብታም ከዓ ትሕት ብምባሉ ይመካሕ፤ ንሱ ኸም ዕምበባ ሳዕሪ ኽሓልፍ እዩ እሞ። ፀሓይ ምስ ዋዒኣ ትወፅእ እሞ፥ ነቲ ሳዕሪ ተንቅፆ፤ እቲ ዕምበባኡ ኸዓ ይረግፍ፤ ፅባቐኡ ድማ ይጠፍእ፤ ከምኡውን እቲ ሃብታም፥ ብመንገዱ ኽጠፍእ እዩ። ሓደኳ ምስ ተፈተነ፥ እግዚኣብሄር ፈቲኑኒ ኣይበል፤ እግዚኣብሄር ብኽፉእ ኣይፍተንን፤ ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ብትምኒቱ ተስሒቡን ተታሊሉን እዩ ዝፍተን። ድሕሪዙይ ትምኒት ምስ ጠነሰት፥ ንሓጢኣት ትወልድ፤ ሓጢኣት ምስ ዓበየት ድማ፥ ንሞት ትወልድ። ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣይትስሓቱ። ኵሉ ፅቡቕ ውህብቶን፥ ፍፁም በረኸትን፥ ካብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ብምዝውዋር ዝኸውን ፅላሎት ዘይብሉ፥ ካብ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ። ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፥ ከም ፍቓዱ፥ ብቓል ሓቂ ወለደና። ናይ ሰብ ቍጥዓ፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣይሰርሕን ስለዙይ ንዅሉ ርኽሰትን፥ ነቲ በዚሑ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ኣርሕቑ፤ ነቲ ንነፍስኹም ከድሕን ዝኽእል፥ ኣብ ልብኹም ተዘሪኡ ዘሎ ቓል ድማ፥ ብቕንዕና ተቐበልዎ። ነቲ ቓል ሰሚዑ፥ ዘይፍፅም ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ነቲ ገፁ ብመስትያት ዝርኢ ሰብ እዩ ዝመስል። ንሱ መልክዑ ሪኡ ይኸይድሞ፥ ሽዑ ንሽዑ ኸመይ ከም ዝኾነ ይርስዕ። እቲ ናብቲ ሓርነት ዝህብ ፍፁም ሕጊ ኣተኲሩ ዝጥምትን፥ ኣብኡ ዝፀንዕን፥ ነቲ ዝሰምዖ እንተይረስዐ፥ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሰብ ግና፥ ብስራሑ ዝተባረኸ ይኸውን። እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንፁህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ሓደ በዓል ወርቂ ቐለበት፥ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብ፥ ናብ ኣኼባኹም እንተ ኣተወ፥ ሓደ ድኻ ረሳሕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብውን እንተ ኣተወ፥ እሞ ነቲ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ኣድልዎ ብምግባር፥ “ንስኻ ኣብዝ ፅቡቕ ስፍራ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ ነቲ ድኻ ግና “ንስኻ ኣብቱይ ደው በል፤ ወይ ኣብዙይ ኣብ ትሕቲ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ ክፉእ ሓሳብ ዘለዎም ፈረድቲዶ ኣይኮንኩምን? ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ? ንስኻትኩም ግና፥ ነቶም ድኻታት ኣዋረድኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑኹምን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን? ንሳቶምዶኸ ኣይኮኑን፥ ነቲ እትፅውዑሉ ኽቡር ስም ዝፀርፉ ዘለዉ? ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና፥ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፤ ጠሓስቲ ሕጊ ኸም ዝኾንኩም ከዓ፥ እቲ ሕጊ ይፈርደኩም ኣሎ። ንዅሉ እቲ ሕጊ ፈፂሙ፥ ብሓንቲ ዝብድል ግና፥ ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን። እቲ “ኣይትዘሙ” ዝበለ “ኣይትቕተል” ድማ በለ። ስለዙይ እንተ ዘይዘሞኻ፥ ግና እንተ ቐቲልካስ ጠሓስ ሕጊ ኢኻ። እምበኣር ከምቶም ሓራ ብዘውፅእ ሕጊ ዝፍረዶም፥ ተዛረቡን ግበሩን። እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ። ሓው ወይ ሓፍቲ እንተ ዓረቑ፥ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፥ እሞ ሓደ ኻባኻትኩም ንስጋኦም ዘድሊ እንተይሃበ “ብሰላም ኪዱ፤ ሓዊ ሰሓኑ፤ ፅገቡ” እንተ በሎም እንታይ ይጠቕሞም? ከምኡ ኸዓ፥ እምነት በይና ተግባር እንተ ዘይብላ፥ ምውትቲ እያ። ንስኻስ ሓደ እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ትኣምን ኢኻ፤ ፅቡቕ ገበርካ፤ ኣጋንንቲ እውን፥ ይኣምኑን ብፍርሒ ይንቅጥቀጡን እዮም። ግና ኣታ ዓሻ ሰብ፥ እምነት ብዘይ ተግባር፥ ዝሞተት ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ፥ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፥ ብተግባሩዶ ኣይኮነን ዝፀደቐ? እምነት ምስ ተግባር ኮይና ኸም ዝሰርሐት፥ ከምኡውን ብተግባር፥ እምነት ከም ዝተፈፀመት ትርኢዶ ኣለኻ? “ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ተፈፀመ። በዙይውን ዓርኪ እግዚኣብሄር ተብሃለ። ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብተግባር ከም ዝፀድቕዶ ትርኢ ኣለኻ? እምበኣር፥ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝኾነ፥ እምነትውን ብዘይ ተግባር ምውትቲ እያ። ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ። እንሆ ኣፍራስ ምእንቲ ኽእዘዙና ኢልና ልጓም ኣብ ኣፎም ንገብረሎም፤ ንዅሉ ኣካላቶምውን ብእኡ ንመርሖ። እንሆ፥ መራኽብ ድማ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓበይቲ እንተለዋ፥ ብብርቱዕ ንፋስ ዝዅብኰባ እንትኾና፥ እቲ ኣዛዚ መርከብ ናብ ዝደልዮ፥ ብንእሽተይ መቕዘፊ እየን ዝምርሓ። ከምኡ ድማ፥ ልሳን ንእሽተይ ኣካል እንተላ፥ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽተይ ሓዊ፥ ክንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተባርዕ! ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም ድማ እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ኽፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወትውን እተቃፅል እያ። ባዕላውን ኣብ ገሃነም ክትቃፀል እያ። ኵሉ ዓሌት እንስሳን፥ ኣዕዋፍን፥ ለመም ዝብልን፥ እንስሳ ባሕርን፥ ንሰብ ይግዛእ፤ ተገዚኡውን ኣሎ። ንልሳን ግና፥ ካብ ደቂ ሰብ ክገዝኣ ዝኽእል ሓደኳ የለን። ንሳ ዘይትዓርፍ ክፍእቲ፥ ዝቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ። ብኣኣ ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ነመስግን፤ ብኣኣ ጌርናውን ነቶም፥ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍ፥ ምስጋናን መርገምን ይወፅእ። ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ክኸውን ኣይግባእን እዩ። ዒላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ፥ ጥዑም ማይን መሪር ማይን ትፍልፍል እያ? ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኦም በለስ ፍረ ኣውሊዕ፥ ተኽሊ ወይኒ ፍረ በለስ፥ ክትፈሪዶ ይከኣላ እዩ? ከምኡውን እታ መሪር ማይ እትፍልፍል ዒላ፥ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ። መሪር ቅንእን ንባዕልኻ ምፍታውን፥ ኣብ ልብኹም እንተ ሃልዩኩም፥ ኣይትመክሑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂውን፥ ኣይትሓስዉ። እዛ ጥበብ እዚኣ፥ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፥ ካብ ላዕሊ ኣይኮነትን። ኣብቲ ቕንእን ንባዕልኻ ምፍታውን ዘለዎ፥ ኣብኡ ሁከትን ኵሉ ኽፉእ ተግባርን ኣሎ። እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና፥ ቅድሚ ዅሉ ንፅህቲ እያ። ደሓር ከዓ ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሕራይ በሃሊት፥ ገባሪት ምሕረት፥ ፅቡቕ ፍረ ዝመልአት፥ ጥርጥርን ግብዝናን ዘይብላ እያ። ፍረ ፅድቂ፥ ብገበርቲ ሰላም፥ ብሰላም ይዝራእ። ትምነዩ፥ ግና ኣይትረኽቡን፤ ስለዙይ ትቐትሉ፤ ክፉእ ትምነዩ፤ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይትኽእሉን፤ ሰለዙይ ትበኣሱን ትዋግኡን። ስለ ዘይለመንኩም ድማ ኣይትረኽቡን። ትልምኑ ግና ኣይትቕበሉን፤ ንፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽተርውዩ ኢልኩም፥ ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ፥ ኣይትቕበሉን። ኣቱም ዘማውያን ነዝ ዓለም እዙይ ምፍቃር፥ ንእግዚኣብሄር ምፅላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን። ዝብል ቃል መፅሓፍዶ፥ ከንቱ ይመስለኩም? ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ። ንእግዚኣብሄር ቅረብዎ፤ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣፅርዩ፤ ኣቱም ሰብ ክልተ ሓሳብውን፥ ልብኹም ኣንፅሁ። ሕዘኑን ጕሃዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፥ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፤ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ። እቲ ኸድሕንን ከጥፍእን ዝኽእል፥ ሓጋጊ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ንስኻ ደኣ ኣብ ብፃይካ እትፈርድ፤ መን ኢኻ? ንስኻትኩም ነቲ ፅባሕ ዝኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩምከ እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም። “ጐይታ እንተ ፈቒድዎ፥ ብህይወት እንተ ሃሊና፥ ከምዙይ ወይ ከምቱይ ክንገብር ኢና” ኽትብሉ እዩ ዝግበአኩም። ሕዚ ግና ትዘሃሩን ትምክሑን ኣለኹም። ከምዙይ ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸዓ፥ ክፉእ እዩ። ሃብትኹም ተበላሸወ፤ ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፤ እቲ ምምራቱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሌኹም ምስክር እዩ፤ ንዳሕረዋይ ዘመን ሃብቲ ስለ ዝኣከብኩም ድማ፥ ንስጋኹም ከም ሓዊ ኽበልዖ እዩ። እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ። ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን መቺዩኩምን፥ ንመዓልቲ ማሕረዲ ኸም ዘህጥር፥ ልብኹም ኣስቢሕኹም ኣለኹም። ነቲ ኽከላኸል ዘይኽእል ፃድቕ ሰብውን፥ ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን። ንስኻትኩም ከዓ፥ ምፅኣት ጐይታ ስለ ዝቐረበ ተዓገሱ፤ ልብኹምውን ኣፅንዑ። ኣሕዋተይ፥ ከይትፍረዱ፥ ኣብ ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ። እንሆ እቲ ፈራዲ፥ ኣብ በሪ ደው ኢሉ ኣሎ። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ ምቕባል መከራን ትዕግስትን፥ እቶም ብስም እግዚኣብሄር ዝተናገሩ ነቢያት፥ ኣርኣያ ይኹኑኹም። እንሆ፥ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ፥ ብፁኣን እዮም ንብሎም። ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ነቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉውን ርኢኹም ኣለኹም። እግዚኣብሄር፥ ርህሩህን ምሕረት ዝመልኦን እዩ እሞ። ኣብ ማእኸልኩም ዝሓመመ እንተ ሃልዩ፥ ንሽማግለታት እታ ናይ እምነት ፀሎት፥ ነቲ ሕሙም ክተሕውዮ እያ። ጐይታውን ከተስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን፥ ክሕደገሉ እዩ። እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ፤ ዝናም ከይዘንም፥ ኣበርቲዑ ፀለየ፤ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ከዓ፥ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን። ብድሕሪኡውን ዝናም ክዘንም ፀለየ፤ ሰማይ ከዓ ዝናም ሃበ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ሃበት። እቲ ንሓጥእ ካብ መንገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ፥ ንነፍሱ ድማ ኻብ ሞት ከም ዘድሓና፥ ብዙሕ ሓጢኣትውን ክሕደገሉ ኸም ዝገበረ ይፍለጥ። ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጴጥሮስ፥ ኣብ ጳንጦስ፥ ገላትያ፥ ቀጰዶቅያ፥ እስያ፥ ቢታንያ፥ ተበቲኖም ንዘለዉ ስደተኛታት፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም። ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ። ንሱ ነቲ ዘይጠፍእን፥ ዘይበላሾን፥ ዘይፅምሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣዳልዩልና ዘሎ ርስቲ ኽንወርስ ገበረና። ንቑሩብ ጊዜ፥ ብዙሕ ብዝዓይነቱ ፈተና ኽትሓልፉ እኳ ግዲ እንተ ኾነ፥ በዙይ ክትሕጐሱ ኢኹም። እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ። ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚ እውን ኣይትሪእዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ትኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን፥ ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ፥ ድሕነት ነፍስኹም ተቐበልኩም። እቲ ኣብኣቶም ሓዲሩ፥ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ዝስዕብ ክብሩን፥ ተነቢዩ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፥ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን፥ ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ፥ ይምርምሩ ነበሩ። ኣምላኽ ከዓ፥ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም እምበር፥ ንባዕላቶም ከም ዘይኮነ ገለፀሎም። እዝ ነገራት እዙይ፥ በቲ ኻብ ሰማይ ዝተልኣኸ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፥ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት፥ ሕዚ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ፥ መላእኽቲ እውን ክሪእዎ ይምነዩ እዮም። እዙዛት ውሉድ ከም ምዃንኩም፥ ከምቲ ቐደም፥ ብዘይፍልጠት እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ክፉእ ድሌትኩም ኣይትግበሩ። “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ከምቲ እቲ ዝፀውዐኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን፥ ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ። ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተፈልጠ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና፥ ምእንታና ተገሊፁ እዩ። እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኢየሱስ ነቲ ንእኡ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ክብሪውን ዝሃቦ፥ ብእግዚኣብሄር ኣመንኩም። ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ። ዳግም ዝተወለድኩም፥ ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር፥ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን። እቲ ዕምበባውን ይረግፍ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዝተሰበኸልኩም ቃል ብስራት ከዓ እዙይ እዩ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ። ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ። እቲ ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ።” ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ” ነቲ ቓል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፤ ነዙይ ከዓ ምዱባት ነበሩ። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቡ ኣይነበርኩምን፤ ሕዚ ግና ህዝቢ እግዚኣብሄር ኢኹም፤ ቀደም ምሕረት ኣይረኸብኩምን፤ ሕዚ ግና ምሕረት ረኺብኩም ኢኹም። እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፥ ንሰናይ ግብርኹም ሪኦም፥ በታ እግዚኣብሄር ዝምልከተላ መዓልቲ፥ ንሹመኛታትውን ተኣዘዙ፤ ንገበርቲ እከይ ክቐፅዑ፥ ንገበርቲ ሰናይ ድማ ኽንእዱ፥ ካብኡ ዝተልኣኹ እዮም እሞ። ሰናይ እናገበርኩም፥ ናይ ዓያሹ ኸንቱ ዘረባ ስቕ ክተብሉ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ። ከም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ብሓርነት ንበሩ እምበር፥ ነቲ ሓርነትስ፥ መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ። ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሄር ፍርሑ፤ ንንጉስውን ኣኽብሩ። ኣቱም ግዙኣት፥ ነቶም ሕያዎትን ርህሩሃትን ጐይቶትኩም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነቶም ክፉኣትውን እንተይተረፈ፥ ብዅሉ ኽብሪ ተኣዘዝዎም። ሓደኳ ተዓሚፁ እንተሎ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ እንተ ተዓገሰ፥ ዝነኣድ ንሱ እዩሞ። እናበደልኩም፥ መቕፃዕቲ እንተ ተዓገስኩም፥ እንታይ ናእዳ ኣለኩም? ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፥ ኣብ እግዚኣብሄር ዘንእደኩም እዙይ እዩ። ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ፤ ክርስቶስ ድማ፥ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም። ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።” ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም። ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም። ፅባቐኽን፥ ኣፍኣዊ ብዝኾነ፥ ብስርሓት ፀጕርን፥ ብምእሳር ወርቅን፥ ብኽቡር ክዳውንትን፥ ኣይኹን። ፅባቐኽንስ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብሊፁ ኽቡርን፥ ዘይጠፍእን፥ ብልውህናን ብህድኣትን ዝተሸለመ መንፈስ፥ ኣብ ልቢ ተሰዊሩ ዘሎ፥ ናይ ውሽጢ ሰብነት ይኹን። ቀደምውን፥ ተስፋአን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገበራ ቕዱሳት ኣንስቲ፥ ብኸምዙይ እየን ዝተሸለማ፤ ንሰብኡተንውን ይእዘዛ ነበራ። ሳራ ንኣብርሃም “ጐይታይ” እናበለት፥ ትእዘዞ ኸም ዝነበረት፥ ንስኻትክንውን ብሓደ ዘደንግፅ ነገር እንተይፈራሕኽን ሰናይ እንተገበርክን ደቃ ኢኽን። ክፉእ ክንዲ ኽፉእ፥ ፀርፊ ኽንዲ ፀርፊ ኣይትመልሱ፤ እኳ ደኣ፥ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ፤ ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ። ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ንሰላም ይድለያን ይስዓባን። ገፅ ጐይታ ግና ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእ እዩ።” ምእንቲ ፅድቂ መከራ እንተ ተቐበልኩም ግና ብፁኣን ኢኹም። ዘፈራርሐኩም እንተ ሃለወውን ኣይትፍርሑ፤ ኣይትጨነቑውን። ንጐይታ ግና ንሱውን ክርስቶስ፥ ብልብኹም ቀድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ ድልዋት ኩኑ። ግና ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ግበርዎ። እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሰናይ ኣካይዳኹም ዝፀርፉ፥ በቲ ዝፀርፍዎ ምእንቲ ኽሓፍሩ፥ ንፁህ ሕሊና ይሃሉኹም። እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱዎስ ካብ ክፉእ እናገበርኩም፥ ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ ምቕባል ይሐይሽ እዩ። ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ። በዝ መንፈስ እዙይውን፥ ከይዱ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድሕነት ሰበኸሎም። እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ እታ መርከብ ክትስራሕ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ብትዕግስቲ እናተፀበዮም እንተሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ውሑዳት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ ማይ ናይቲ ሕዚ ዘድሕነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ፤ ጥምቀት ከዓ እቲ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብንፁህ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ልመና እዩ እምበር፥ ናይ ሰብነት ርስሓት ዝሓፅብ ኣይኮነን። ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ። እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ። እምበኣር እቲ ብዕብዳን፥ ብፍትወት ስጋ፥ ብስኽራን፥ ብጐይላ፥ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፥ ኣፀያፊ ብዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ክትነብሩ እንተለኹም፥ ከምቲ ኣህዛብ ዝደልይዎ እናገበርኩም፥ ዘሕለፍኩምዎ ዘመን ይኣክል። ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ። እዚኣቶም፥ ነቲ ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፥ መልሲ ኽህቡሉ እዮም። ከም ሰብ ብስጋ ምእንቲ ኽፍረዶም፥ ብመንፈስ ግና፥ ከም እግዚኣብሄር ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንምዉታት ወንጌል ተሰብከሎም። ፍቕሪ፥ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም፥ ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ። ብዘይ ምንፅርፃር፥ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ። ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል። እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን። ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም። ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ስለ ዝሓድር፥ ብፁኣን ኢኹም። ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም። ክርስቲያን ብምዃኑ፥ መከራ እንተ በፅሖ ግና፥ ስለ እዝ ስም እዙይ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግን እምበር ኣይሕፈር። ከመይ ክኸውን እዩ?” ነቲ ሓደራ ዝተውሃበኩም መጓሰ እግዚኣብሄር ሓልውዎ፤ እንተ ኾነ፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብፅቡቕ ድሌት እምበር፥ ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን። ነቲ መጓሰ፥ ኣርኣያ ደኣ ኹንዎ እምበር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተውሃቡኹም መጓሰ፥ ጐይቶት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልፀ ድማ፥ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ። ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። ብእምነት ፀኒዕኹም ተቓወምዎ፤ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩምውን፥ እዝ መከራ እዙይ ይበፅሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም። ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ። ንእኡ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን። እታ መተሓርይትኹም ዝኾነት፥ ኣብ ባቢሎን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ትብለኩም ኣላ። ማርቆስ ወደይውን፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ብክርስቶስ ንዘለኹም ኵልኻትኩም ሰላም ይኹን። ኣሜን። ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥ በቲ ንእግዚኣብሄርን፥ ንጐይታና ኢየሱስን ብዘለኩም ፍልጠት፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም። በዙይውን፥ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋ እዚኣ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፥ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም። ስለዙይ ብዅሉ ትግሃት፥ ኣብ እምነትኩም ሕያዋይነት ወስኹ፤ ኣብ ሕያዋይነትውን ፍልጠት፥ ኣብ ፍልጠት ከዓ ንባዕልኻ ምግዛእ፥ ኣብ ንባዕልኻ ምግዛእ ትዕግስቲ፥ ኣብ ትዕግስቲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፥ ኣብ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሕውነት፥ ኣብ ሕውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ። እዞም ነገራት እዚኣቶም እንተ ሃልዮምኹም፥ እናዓበዩውን እንተ ኸይዶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጡኹም እዮም። ሃካያትን ዘየፍርዩውን ኣይትኾኑን ኢኹም። እዝ ነገር እዙይ ዘይብሉ ግና፥ ኣርሒቑ ዘይርኢ፥ ስለዙይ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንፅውዓኹምን ምሕራይኩምን ክተፅንዕዎ፥ ኣብሊፅኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም። በዙይ ድማ፥ ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው፥ ብምልኣት ክወሃበኩም እዩ። ስለዙይ እንተ ፈለጥኩምዎ እኳ፥ ኣብቲ ዘለኩም ሓቂ እውን እንተ ፀናዕኹም፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኵሉ ጊዜ ኸዘኻኽረኩም ሸለል ኣይብልን። ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፥ እናዘኻኸርኩ ኸነቓቕሐኩም፥ ቅኑዕ ኾይኑ ይረአየኒ ኣሎ። ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀለይ፥ ነዝ ሰብነት እዙይ፥ ገዲፈ ዝኸደሉ እዋን፥ ቀሪቡ ኸም ዘሎ ፈሊጠ ኣለኹ። ኣነ ምስ ተፈለኹኹም፥ ነዝ ነገራት እዙይ፥ ክትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እፅዕር ኣለኹ። ብዛዕባ ሓይሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ተመሊሱ ኸም ዝመፅእን ክንነግረኩም እንተለና፥ ሰባት ብተንኰል ዝተጣበብዎ ተረት ዘይኮነስ፥ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ፥ መሳኻኽር ስለ ዝኾንና እዩ። እቲ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብቲ ልዑል ግርማ ምስ መፀ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ክብርን ግርማን ተቐበለ። ኣብቲ ቕዱስ እምባ ምስኡ እንተለና ኸዓ፥ እዝ ድምፂ እዙይ ካብ ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ንሕና ባዕልትና ሰሚዕናዮ ኢና። ቅድሚ ዅሉ፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደኳ ብናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ፥ ክትርጉሞ ኸም ዘይኽእል ፍለጡ። ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን። ብዙሓት ድማ፥ በቲ መንገዲ ርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም። ብሰንኮም፥ እታ መንገዲ ሓቂ ኽትፅረፍ እያ። ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ። ነታ ቐዳመይቲ ዓለምውን ኣይራህርሀላን፤ ነቲ ሰባኺ ፅድቂ ዝነበረ ኖህ ግና፥ ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ኣድሒኑ፥ ነቲ ናይ ሓጥኣን ቀዳማይ ዓለም ከዓ ራህሪሁ እንተይመሓረ፥ ኣብቶም ሓጥኣን ማይ ኣይሂ ኣውረደ እምበር። ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም፥ መርኣያ መቕፃዕቲ ምእንቲ ክኾና፥ ንሰዶምን ገሞራን ሓመዅሽቲ ኽሳዕ ዝኾና፥ ክቃፀላ ፈረደን። ነቲ ብበደሎምን ብርኹስ ተግባሮምን፥ ዘስካሕክሕ ዝነበረ ፃድቕ ሎጥ ግና ኣድሓኖ። እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እንተሎ፥ በብመዓልቱ በቲ ዝሪኦን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመፃኦም፥ እታ ፃድቕ ነፍሱ ትጭነቕ ነበረት። ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ፥ እናቐፅዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘፅንሖም ይፈልጥ እዩ። ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን። መላእኽቲ፥ ብሓይልን ብስልጣንን ካብኣቶም ዝበልፁ እንተ ኾኑ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ፀርፊ ዘለዎ ኽሲ ኣየቕርቡን እዮም። እዚኣቶም ግና፥ ከም ንመፃወድን ንጥፍኣትን ዝተፈጥሩ፥ ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናፀረፉ፥ ምስኣቶም ክጠፍኡ እዮም። ዓስቢ ዓመፃኦምውን ክቕበሉ እዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ፥ ብቐትሩ ምዕባድ ማለት እዩ። ነውራማትን ርኹሳትን እዮም። ንኽጥብሩኹም ኢሎም፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ በዙይውን ይሕጐሱ። ዝሙት ዝመልኣ፥ ካብ ሓጢኣት ከዓ ዘየቋርፃ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፤ ነተን ብእምነት ዘይፀንዓ ነፍሳት፥ ይሓብልወን፤ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገምውን እዮም። ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ። እንተ ኾነ ሕጊ ብምፍራሱ ተግሳፅ ተቐበለ፤ ምዝራብ ዘይትኽእል ኣድጊ፥ ብድምፂ ሰብ ተዛሪባ፥ ንዕብዳን እቲ ነቢይ ዓገተቶ። ንሳቶም፥ ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር፥ ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም፥ ብኽፉእ ትምኒት ስጋን፥ ብርኽሰትን፥ ይሓባብልዎም ኣለዉ። ዝተስዓረ ሰብ፥ ባርያ ናይቲ ዝሰዓሮ እዩ ዝኸውን እሞ፥ ንሳቶም ንባዕላቶም፥ ናይ ክፉእ ኣመል ባሮት እንተለዉ “ሓራ ኽትወፁ ኢኹም” እናበሉ፥ የተስፍውዎም ኣለዉ። በታ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ፥ ካብ ርኽሰት ዓለም ዘምለጡ ሰባት፥ ተመሊሶም ብኣኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተስዒሮም፥ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም እዩ ዝገድድ። ንሳቶም እናፈለጥዋ፥ ካብቲ ዝተውሃቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዝምለሱስ፥ ነታ መንገዲ ፅድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሐሾም ነይሩ። እዙይ ከዓ እቲ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመለሰ” ኸምኡ ኸዓ “ሓሰማ ተሓፂባ፥ ኣብ ፀብሪ ኣንገርገረት” ዝብል ምስላ ሓቂ፥ ኣብኣቶም በፅሐ። ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዛ ሕዚ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ኻልአይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን፥ ብሃዋርያት ዝረኸብኩምዎ፥ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ትእዛዝን እናዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ፥ ዝፅዕር ዘለኹ። ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዝመላለሱ፥ መላገፅቲ ኸም ዝመፁ፥ ቅድሚ ዅሉ እዙይ ፍለጡ። ንሳቶም “ተስፋ ምፅኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ፥ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ጀሚሩ፥ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ይብሉ። ሰማያት ካብ ጥንቲ፥ ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥሩ፥ ምድሪ እውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝፀንዐት፥ ኮነ ኢሎም ይኽሕዱ። ስለዙይ እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለምውን፥ ብማይ ተውሒጣ ጠፍአት። እቶም ሕዚ ዘለዉ ሰማያትን ምድርን ግና፥ እቶም ንግዚኣብሔር ዘይፈርሑ ሰባት፥ ተፈሪድዎም ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ብቓሉ ተሓልዮም፥ ንሓዊ ተዓቝሮም ኣለዉ። ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ። እዝ ዅሉ ኸምዙይ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብአኩም? ነታ እግዚኣብሄር ዝመፀላ መዓልቲ፥ እናተፀበኹምን፥ እናቀላጠፍኩምን፥ ብቕዱስ ህይወትን፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ፍጥረት ሰማይ ከዓ፥ ብረስኒ ኽመክኽ እዩ። ንሕና ግና ኸምቲ ዘተስፈወና፥ ፅድቂ ዝነብረሉ፥ ሓድሽ ሰማይን፥ ሓዳስ ምድርን፥ ንፅበ ኣለና። ጐይታና፥ ንኸድሕነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ሕሰቡ። እቲ ፍቑር ሓውና ጳውሎስውን፥ በቲ ዝተውሃቦ ጥበብ፥ ብዛዕባዙይ እዩ ዝፀሓፈልኩም። ንሱ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ኣብ ኵለን መልእኽታቱ፥ ከምዙይ እዩ ዝገብር። ኣብኡ፥ ንምርዳኡ ዘፀግም ብዙሕ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቝርን ዘይፅኑዓትን ከዓ፥ ከምቲ ነተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝጠዋውይወን፥ ንጥፍኣት ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ። ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። እዝ ህይወት ተገለፀ፤ ንሕና ኸዓ ሪኢናዮ ኢና፤ ንምስክርውን ኣለና። ምስ ኣብ ዝነበረ፥ እቲ ንኣና ዝተገልፀ ዘለኣለማዊ ህይወት ንነግረኩም ኣለና። ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። እዝ እንፅሕፈልኩም ዘለና፥ ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ኢልና ኢና። “ምስኡ ሕብረት ኣለና” እናበልና፥ ኣብ ፀልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ ንሓቂ እውን ኣይንገብራን ዘለና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ። “ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፥ ሓሳዊ ንገብሮ፤ ቃሉውን ኣባና የለን። ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ኾነ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ኵሉ ዓለምውን እምበር፥ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራሕ ኣይኮነን። “ኣነ እፈልጦ እየ” ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ፤ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ። እቲ “ኣብኡ እነብር እየ” ዝብል፥ ከምቲ ንሱ ዝተመላለሰ፥ ባዕሉውን ከምኡ ኽመላለስ ይግብኦ እዩ። መሊሰ፥ ብኡኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝኾነ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እፅሕፈልኩም ኣለኹ፤ ፀልማት ሓሊፉ፥ ድሮ እኳ ብርሃን ሓቂ የብርህ ኣሎ። እቲ ንሓዉ ዘፍቅር፥ ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር፤ ኣብኡውን መዐንቀፊ የብሉን። እቲ ንሓዉ ዝፀልእ ግና፥ ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ፤ ኣብ ፀልማትውን ይነብር፤ ፀልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፥ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ደቀይ፥ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ስም ክርስቶስ፥ ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፥ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ቈልዑ፥ ንኣብ ፈሊጥኩምዎ ኢኹምሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጓብዝ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፥ ነቲ ኽፉእውን ስለ ዝሰዓርኩምዎን፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ንዓለም ዝፈቱ፥ ኣብኡ ፍቕሪ እግዚኣብሄር የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ስጋ፥ ባህጊ ዓይንን፥ ናይ ናብራ ትምክሕትን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር። ንሳቶም ካባና እዮም ወፂኦም፤ ግና ኻባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዝኾኑ፥ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግና ኻባና ኸም ዘይኮኑ ምእንቲ ኽገሃድ ወፁ። ነቲ ሓቂ ስለ እትፈልጥዎን፥ ኵሉ ሓሰት ካብቲ ሓቂ ኸም ዘይኮነ፥ ስለ እትፈልጡን እየ እምበር፥ ስለ ዘይትፈልጥዎ ኣይኮንኩን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ። እቲ ንኢየሱስ፥ መሲሕ ምዃኑ ዝኽሕድ እንተ ዘይኮይኑኸ፥ መን እዩ እቲ ሓሳዊ? እቲ ንኣብን ንወልድን ዝኽሕድ፥ ፀረ ክርስቶስ እዩ። እቲ ንወልድ ዝኽሕድ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣብኡ የለን፤ እቲ ንወልድ ዝኣምን ግና፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣብኡ ኣሎ። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ኾይኑ፥ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን፥ ክትነብሩ ኢኹም። እዙይ ከዓ፥ እቲ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ብዛዕባ እቶም ዘስሕቱኹም እየ እዙይ ዝፀሓፍኩልኩም። ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ኻብ ክርስቶስ ዝተቐበልኩምዎ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻትኩም ይነብር እዩ እሞ፥ ሓደኳ ኽምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። መንፈስ ቅዱስ፥ ብዛዕባ ዅሉ ኽምህረኩም እዩ፤ ትምህርቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ሓሰት ኣይኮነን። እምበኣር ከምቲ ዝመሃረኩም፥ ኣብ ክርስቶስ ፀኒዕኹም ንበሩ። ንሱ ፃድቕ ምዃኑ እንተ ደኣ ትፈልጡ ዄንኩም፥ ኵሉ ፅድቂ ዝገብር፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወለደ ፍለጡ። ኣቱም ፍቑራተይ፥ ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ኢና፤ እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን። ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና። ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ዝገብር፥ ከምቲ ንሱ ንፁህ ዝኾነ፥ ንባዕሉ የንፅህ። ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ሓጢኣት የለን። እቲ ዅሉ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ሓጢኣት ዝገብር ግና፥ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፤ ኣይፈለጦንውን። ካብ መጀመርታ ጀሚሩ፥ ሓጢኣት ዝገብር ዘሎ ዲያብሎስ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልፀ። ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ስለ ዘሎ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተወለደውን፥ ሓጢኣት ክገብር ኣይኽእልን እዩ። ፅድቂ ዘይገብርን፥ ንሓዉ ዘየፍቅርን፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ደቂ እግዚኣብሄርን፥ ደቂ ዲያብሎስን፥ በዙይ እዮም ዝፍለጡ። ከምቲ ኻብ ሰይጣን ወገን ዝነበረ፥ ንሓዉ ኸዓ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ? ግብሩ ኽፉእ፥ ግብሪ ሓዉ ግና፥ ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ። ንሕና ነሕዋትና ነፍቅሮም ስለ ዝኾንና፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ሓዉ ዘየፍቅር ግና፥ ኣብ ፅላል ሞት እዩ ዝነብር። ኵሉ ንሓዉ ዝፀልእ፥ ቀታሊ ነፍሲ እዩ። ኵሉ ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም። ክርስቶስ ንህይወቱ ቤዛና ስለ ዘሕለፈ፥ ንፍቕሪ በዙይ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ምእንቲ ኣሕዋትና፥ ህይወትና ቤዛ ኽነሕልፍ ይግብአና እዩ። ግና ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ፥ ሓዉ ተሸጊሩ እንተሎ እናረአዮ እንተ ዘይራህርሀሉ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኽነብር ይኽእል? ኣቱም ደቀይ፥ ብግብርን ብሓቅን እምበር፥ ብቓል ወይ ብልሳን ጥራሕ ኣይንፋቐር። ካብ ሓቂ ወገን ምዃንና ኸዓ፥ በዙይ ክንፈልጥ ኢና፤ ሕሊናና እንተ ወቐሰና፥ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ዝዓብን፥ ኵሉ ዝፈልጥን ስለ ዝኾነ፥ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ኽነህድኦ ኢና። ኣቱም ፍቑራተይ፥ ልብና እንተ ዘይወቐሰና ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና። ትእዛዛቱ እንሕሉን፥ ንእኡ ዘሐጕሶ እንገብርን ስለ ዝኾንና ድማ፥ ነቲ ዅሉ እንልምኖ ኻብኡ ኽንቕበል ኢና። ትእዛዙ ድማ፥ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘና ጌርና፥ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን፥ ንስንሳትናውን ክንፋቐርን እዩ። እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝሕሉ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር። ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር። እግዚኣብሄር ኣባና ኸም ዝነብር ከዓ፥ በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ኢና እንፈልጥ። ንመንፈስ እግዚኣብሄር፥ በዙይ ኢኩም እትፈልጥዎ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ኸም ዝተገለፀ ዝኣምን ኵሉ መንፈስ፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመፀ ዘይኣምን ኵሉ መንፈስ ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። እዙይ ከዓ፥ እቲ ኸም ዝመፅእ ሰሚዕኹምዎ ዝነበርኩም፥ ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕዚ እውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፤ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከዓ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። ንሕና ግና ኻብ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ዝፈልጥ ይሰምዐና፤ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዘይኮነ ግና፥ ኣይሰምዐናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሰትን ከዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጦ። እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን። እግዚኣብሄር፥ ብወዱ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፥ በዙይ እዩ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልና ዝተገልፀ። ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ። ንእግዚኣብሄር ዝረአዮ ሓደኳ የለን። ንስንሳትና እንተ ተፋቐርና ግና፥ እግዚኣብሄር ኣባና ይነብር፤ ፍቕሩውን ኣባና ፍፁም ይኸውን። እግዚኣብሄር ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ፥ ንሱውን ኣባና ኸም ዝነብር ንፈልጥ ኢና። እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንወዱ መድሓኒ ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፤ ንምስክርውን ኣለና። ኵሉ፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዝኣምን ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር፤ ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር። ንሕናውን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር፤ እግዚኣብሄርውን ኣብኡ ይነብር። ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ትብዓት ክህልወና፥ በዙይ እታ ፍቅሪ ኣባና ተፈፀመት፥ ከምቲ ንሱ ዘለዎ፥ ከምኡውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘለና እሞ። እታ ፍፅምቲ ፍቕሪ፥ ንፍርሓት ኣውፂኣ ደኣ ትድርብያ እምበር፥ ኣብ ፍቕርስ ፍርሓት የለን። ፍርሓት፥ ምስ መቕፃዕቲ ዝተተሓሓዘት ስለ ዝኾነት፥ እቲ ዝፈርሕ ሰብ፥ ፍቕሩ ፍፁም ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና። ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ፥ ነቲ ዘይረአዮ እግዚኣብሄር፥ ከፍቅር ኣይከኣሎን እዩ እሞ፥ ንሓዉ እናፀልአ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣፍቅር እየ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ፥ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር፥ ንሓዉ ድማ የፍቅር” ዝብል እዩ። ንእግዚኣብሄር ብምፍቃርን፥ ትእዛዛቱ ብምሕላውን ኢና፥ ነቶም ደቂ እግዚኣብሄር፥ ከም እነፍቅሮም እንፈልጥ። ንእግዚኣብሄር ምፍቃር ማለት፥ ትእዛዛቱ ምሕላው ማለት እዩ፤ ትእዛዛቱውን ከበድቲ ኣይኮናን። ኵሉ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ ንዓለም ይስዕራ። እታ ንዓለም እንስዕረላ ኸዓ፥ እምነትና እያ። ንዓለም ዝስዕራኸ መን እዩ? እቲ፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ዝኣምንዶ ኣይኮነን? እቲ ብማይን ብደምን ዝመፀ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብማይን ብደምን እዩ እምበር፥ ብማይ ጥራሕ ኣይመፀን። እቲ መንፈስ ከዓ፥ ሓቂ ስለ ዝኾነ ንሱ እዩ ዝምስክር። እቶም ዝምስክሩ ሰለስተ እዮም። መንፈስ፥ ማይ፥ ደም፥ ሰለስቲኦም ብምስክርነቶም ሓደ እዮም። ሰብ ዝህቦ ምስክር ንቕበል ኢና፤ እግዚኣብሄር ዝህቦ ምስክር ግና፥ ካብኡ ይዓቢ እዩ፤ እቲ እግዚኣብሄር ዝህቦ ምስክርነት ከዓ ብዛዕባ ወዱ እዩ። ብወዲ እግዚኣብሄር ዝኣምን፥ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምን፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክርነት ስለ ዘይኣመነ፥ ንእግዚኣብሄር ሓሳዊ ይገብሮ። ምስክርነቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሄር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሂቡና እዩ፤ እዛ ህይወት እዚኣ ኸዓ ኣብ ወዱ ኣላ። ወዲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብ፥ ህይወት ኣላቶ፤ እቲ ወዲ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዘይብሉ ግና፥ ህይወት የብሉን። ከምቲ ፍቓዱ ጌርና፥ ዝኾነ ነገር እንተ ለመንናዮ፥ ከም ዝሰምዐና ስለ እንፈልጥ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና። ኵሉ ዝለመንናዮ ኸም ዝሰምዐና ኻብ ፈለጥና፥ ዝለመንናዮ ልመና፥ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና። ኵሉ ኽፉእ ስራሕ፥ ሓጢኣት እዩ። እንተ ኾነ፥ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣትውን ኣሎ። ናብታ ሕርይቲ እመቤትን፥ ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፥ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኵላቶም እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጡዋ ዘፍቅርዎም፤ እንፈትዎም ድማ፥ ስለ እቲ ኣባና ዘሎ፥ ንዘለኣለም ከዓ ምሳና ዝነብር ሓቂ ኢልና ኢና። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን፥ ብሓቅን ብፍቕርን፥ ምሳና ክኸውን እዩ። ሕዚ እውን እመቤት፥ ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነስ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ትእዛዝ እየ፥ ዝፅሕፈልኪ ዘለኹ፤ ንሱውን፥ “ንስንሳትና ኽንፋቐር” እልምነኪ ኣለኹ። ፍቕሪ ማለት፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር እናፈፀምካ፥ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ እቲ ትእዛዝ፥ “ብፍቕሪ ንበሩ” ዝብል እዩ። ንስኻትኩም ግና፥ ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፥ ነቲ ዝፀዓርኩምሉ ኸይተጥፍእዎ ተጠንቀቑ። ነዝ ትምህርቲ እዙይ እንተይሓዘ ናባኻትኩም ንዝመፅእ፥ ኣብ ገዛኻትኩም ኣይትቀበልዎ፤ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዝብሎ፥ ብኽፉእ ግብሩ ይተሓባበሮ እዩ እሞ። ደቂ እታ ሕርይቲ ሓፍትኺ፥ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ። ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዝፈትዎ ፍቑር ጋይዮስ። ኣታ ፍቑረይ፥ ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ፅቡቕ ዘሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን፥ ጥዒና ኽትረክብን፥ እፅልየልካ ኣለኹ። ንስኻ በታ ሓቂ ትነብር ከም ዘለኻ፥ ኣሕዋት መፂኦም፥ ብዛዕባ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም፥ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ። ኣነ እቶም ደቀይ፥ በቲ ሓቂ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን። ኣታ ፍቑረይ፥ ንሳቶም ኣጋይሽ እንተ ኾኑ እኳ፥ እቲ ነቶም ኣሕዋት እትገብሮ ዘለኻ ኣገልግሎት፥ እሙን ኴንካ ትገብሮ ኣለኻ። እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን፥ ብዛዕባ ፍቕርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕስ ጌርካ፥ ዘድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም። ንሳቶም፥ ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ እንተይወሰዱ፥ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ዝወፁ እዮምሞ። እምበኣር ናይታ ሓቂ፥ ተሳተፍቲ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንከውን፥ ከምዚኣቶም ንዝበሉ ሰባት፥ ክንሕግዞም ይግብአና እዩ። ስለዙይ ኣነ ምስ መፃእኹ፥ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሌና ዝዛረቦ ኽፉእ ነገራት፥ ክገልፆ እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ፥ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩውን፥ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያን ድማ፥ የውፅኦም ኣሎ። ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን። ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፤ እታ ሓቂ ድማ፥ ባዕላ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣለና። ምስክርነትና ሓቂ ኸም ዝኾነ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ብዙሕ ዝፅሕፈልካ ነይሩኒ፤ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክፅሕፈልካ ኣይደለኹን። ቀልጢፈ ኽሪአካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና። እቶም ፈተውትኻ፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና፥ በብስሞም ሰላም በሎም። ናብቶም ፅዉዓት፥ ብእግዚኣብሄር ኣብ ፍቑራትን፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉን፥ ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዝሐልኩም። ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዛዕባ እታ ናይ ኵልና ዝኾነት ድሕነት፥ ክፅሕፈልኩም ሃረርታ ነይሩኒ። ሕዚ ግና፥ በታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንቕዱሳን ዝተውሃበት እምነት፥ ንኽትጋደሉ ምእንቲ ኽመኽረኩም፥ ክፅሕፍ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ። ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም። ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥ ከምኡ ድማ ሰዶምን ገሞራን፥ እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን፥ ከምኣቶም ዘመዋ፤ ባህርያዊ ዘይኮነ ግብረ ስጋውን ፈፀማ። በቲ ዝወረደን ቅፅዓት ከዓ፥ ብዘለኣለማዊ ሓዊ ንዝቕፅዑ፥ መርኣያ ኾይነን ኣለዋ። ሊቀ መላእክት ሚካኤል እኳ፥ ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ክከራኸር እንተሎ፥ “እግዚኣብሄር ይገስፅካ” ደኣ በሎ እምበር፥ ብፀርፊ ክዅንኖ ኣይደፈረን። እዚኣቶም ግና፥ ነቲ ዅሉ ዘይፈልጥዎ ይፀርፉ፤ እቲ ኸም እንስሳ፥ ብባህሪኦም ዝፈልጥዎ እኳ፥ ንባዕላቶም የጥፍኦም ኣሎ። ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዚኣቶም፥ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ማእድኹም ፀየቕቲ እዮም፤ እንተይሓፈሩ ብስድነት፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ ንባዕላቶም ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ፤ ንፋስ ንየው ነዘው ከም ዝደፍኦ፥ ማይ ከም ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተበቈሳ፥ ክልተ ሻዕ ዝሞታ፥ ብእዋን ፍረ፥ ፍረ ኸም ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም። ንሳቶም ከምቲ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ፥ ነቲ ነውራም ተግባራቶም፥ ከም ዝዓፍር ዝገብሩ፥ ካብ መንገዶም ከም ዝዘንበሉ ኸዋኽብቲ እዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት፥ ንዘለኣለም ይፅበዮም ኣሎ። ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ዅሉ ዘረባ ድፍረትን፥ ክቐፅዖም እዩ” ኢሉ ተነበየሎም። እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ። እዚኣቶም ፍልልይ ዘምፅኡ፥ ብስጋዊ ድልየቶም ዝምርሑ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሎም ሰባት እዮም። ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ በታ ልዕሊ ዅሉ ዝተቐደሰት እምነትኩም፥ ንርእስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ፀልዩ። ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብፅሕ፥ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተፀበኹም ከዓ፥ ንርእስኹም ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ሓልዉ። ነቶም ዝጠራጠሩ ኣረድእዎም። ንገሊኣቶም፥ ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ፥ ነቲ ብትምኒት ስጋኦም ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናፀላእኹም፥ ንርእስኹምውን እናፈራሕኹም ራህርሁሎም። ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ፥ ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን፥ ሕዝን፥ ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን፥ ይኹኖ። ኣሜን። ዮሃንስ ከዓ፥ ስለ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝመሃሮ ሓቅን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዝረአዮ ነገር መስከረ። እቲ እዙይ ዝፍፀመሉ ዘመን ቀረባ ስለ ዝኾነ ድማ፥ እቲ ነዝ ቓል ትንቢት እዙይ ዘንብብ፥ ብፁእ እዩ፤ እቶም ዝሰምዕዎን፥ ነቲ ኣብኡ ተፅሒፉ ዘሎውን ዝሕልውዎን፥ ብፁኣን እዮም። ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመፅእን፥ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን፥ ካብቲ ኻብ ሞት ብምትሳእ በዅሪ ዝኾነን፥ እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ነቲ ዘፍቀረና፥ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓፀበና፥ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ብመዓልቲ ጐይታ፥ “ነዝ እትሪኦ ዘለኻ፥ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፍካ፥ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ሰምርኔስን ጴርጋሞንን ትያጥሮንን ሰርዴስን ፊላደልፍያን ሎዶቅያን ዘለዋ፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ስደዶ” ድማ በለኒ። መን ከም ዝተዛረበኒ ኽርኢ፥ ግልፅ በልኩ። ግልፅ ምስ በልኩ ድማ፥ ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ረአኹ። ኣብ ማእኸል እተን ቀወምቲ ቐናዲል ከዓ፥ ክሳዕ እግሩ ዝተኸድነ፥ ብቕናት ወርቂ እውን፥ ክሳዕ ኣፍ ልቡ ዝተዓጠቐ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል ረአኹ። ርእሱን ፀጕሩን ከም ፀምሪ፥ ከም በረድውን ፃዕዳ ነበረ፤ ኣዒንቱውን፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ነበራ፤ ኣእጋሩ፥ ኣብ እቶን ከም ዝረሰነ፥ ዘንፀባርቕ ነሃስ ይመስላ ነበራ፤ ድምፁውን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያት ነበረ። ብየማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ነበሩ፤ ካብ ኣፉውን፥ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ፤ ገፁውን፥ ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ፀሓይ ነበረ። ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ። እምበኣርከስ ነቲ ዝረአኻዮን፥ ነዝ ዘሎን፥ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎን ፀሓፍ። ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረአኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ናይተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልን ምስጢር፥ እዙይ እዩ፤ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ፥ ናይተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት መላእኽቲ እዮም፤ እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልውን፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት እየን” በለኒ። “ ‘እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፥ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ ይብል፦ ግብርኻን ፃዕርኻን ትዕግስትኻን፥ ነቶም ክፉኣት ሰባትውን፥ ክትፆሮም ዘይምኽኣልካን፥ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ግና ዘይኮኑ፥ ተዓዚብካዮምስ ሓሰውቲ ኾይኖም ከም ዝረኸብካዮምውን፥ እፈልጥ እየ። ትዕግስቲ ኸም ዘለካ፥ ስለ ስመይ ኢልካውን፥ መከራ ኸም ዝተፃወርካን፥ ከም ዘይሰልከኻን፥ እፈልጥ እየ። ግና ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ስለ ዝሓደግካያ፥ ዝነቕፈካ ኣለኒ። እምበኣርከስ ካበይ ግና ነቲ ኣነ ዝፀልኦ ግብሪ ኒቆላውያን፥ ንስኻውን ትፀልኦ ኢኻ እሞ፥ እዙይ ግዳ ፅቡቕ ኣለካ። “ ‘እቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መከራኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፤ ግና ሃብታም ኢኻ። ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ፥ ግና ማሕበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ፥ ፀርፊ ኸም ዝተቐበልካውን እፈልጥ እየ። ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። “ ‘እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሓዘ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን። እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ። ከምኡውን፥ ንትምህርቲ ኒቆላውያን ዝስዕቡ ሰባት ኣለዉኻ። ስለዙይ ተነሳህ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ቀልጢፈ መፂአ፥ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም “ ‘እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ትዕግስትኻን፥ ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ግብርኻ ኸም ዝበዝሕ፥ እፈልጥ እየ። ግና ነታ “ነቢይት እየ” እናበለት፥ ነቶም ኣገልገልተይ ክምንዝሩን፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ኽበልዑ እትምህሮምን፥ እተስሕቶምን ዘላ፥ ኤልዛቤል እትብሃል ሰበይቲ፥ ስቕ ኢልካ ብምርኣይካ፥ እነቕፈካ ኣለኹ። ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፥ ጊዜ ሂበያ ነይረ፤ ንሳ ግና፥ ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። ስለዙይ ኣነ ኣብ ዓራት መከራ፥ ክድርብያ እየ። ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ኸዓ፥ ካብቲ ተግባራቶም እንተ ዘይተነሲሖም፥ ናብ ብርቱዕ መከራ ኸእትዎም እየ። ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ። “ ‘ንኣኻትኩም ኣቱም ኣብ ትያጥሮን ዘለኹም ካልኦት ግና፥ ኵልኻትኩም ነዝ ትምህርቲ እዙይ ዘይትኽተሉ፥ ነቲ ንሳቶም “ዓሚቝ ምስጢር ሰይጣን” ዝብልዎ ዘይተምሃርኩም፥ ካልእ ፆር ኣየኽብደልኩምን እየ እብለኩም ኣለኹ። ግዳ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ነቲ ዘለኩም ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ። ነቲ ዝስዕርን፥ ነቲ ኽሳዕ መወዳእታ ትእዛዘይ ዝሕሉን፥ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ፥ ስልጣን ክህቦ እየ፤ ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ፤ ከም ኣቕሓ መሬት ከዓ፥ ክሰባብሮም እዩ። ኮኸብ ፅባሕውን ክህቦ እየ። “ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።’ “ ‘እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን፥ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለዎ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። “ህያው” ተብሂልካ ኢኻ እትፅዋዕ፤ ግና ምዉት ኢኻ። ንግብርኻ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ፥ ፍፁም ኮይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፥ ንቑሕ ኹን፤ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ፥ ንሞት ዝቐረቡውን ኣበርትዓዮም። ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ኣብ ሰርዴስ ግና፥ ክዳውንቶም ዘየርስሑ፥ እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’ “እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።” “ ‘እቲ ቕዱስ፥ ሓቀኛ፥ መፍትሕ ዳዊት ዘለዎ፥ ንሱ ምስ ከፈተ፥ ሓደኳ ኽዓፁ ዘይኽእል፥ ንሱ ምስ ዓፀወ ኸዓ፥ ሓደኳ ክኸፍት ዘይኽእል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ዓቕምኻ ድኹም እዩ፤ እንተ ኾነ ንቓለይ ሓለኻዮ፥ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን። ስለዙይ ሓደኳ ኽዓፅዎ ዘይኽእል፥ ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ። እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ። ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ። ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ። ነቲ ዝስዕር፥ ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ፥ ዓምዲ ኽገብሮ እየ፤ ካብኣውን ከቶ ኣይወፅእን እዩ። ስም ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኻብ ኣምላኸይ፥ ካብ ሰማይ እትወርድ፥ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ነቲ ሓድሽ ስመይውን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽፅሕፍ እየ።’ “እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።” “ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ ‘ዝሑል ወይ ምዉቕ ዘይምዃንካ፥ ግብርኻ እፈልጦ እየ፤ ኣበይሞ ዝሑል ወይ ምዉቕ ከም ኮንካ! ልህብ ዝበለ ስለ ዝኾንካ፥ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻሞ፥ ካብ ኣፈይ ክተፍአካ እየ። “ሃብታም እየሞ የመናውን መሊኡለይ ኣሎ፤ ሓደኳ ዘድልየኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ፥ ሕሱርን፥ ዘደንግፅን፥ ድኻን፥ ዕዉርን፥ ዕሩቕን፥ ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኢኻ። ምእንቲ ኽትህብትም፥ ብሓዊ ዝፀረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፥ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቕላዕን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ኽትክደንን፥ ምእንቲ ኽትርኢ፥ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን፥ ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ፥ እመኽረካ ኣለኹ። ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ። እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ፥ እዅሕዅሕ ኣለኹ። ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ፥ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ፥ ናብኡ ኽኣቱ፥ ምስኡውን ክበልዕ እየ፤ ንሱውን ምሳይ ክበልዕ እዩ። ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’ “እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።” ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፤ እንሆ ድማ ኣብ ሰማይ ዙፋን ተዘርጊሑ፥ ኣብቲ ዙፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ። እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዝነበረ ኸዓ፥ ትርኢቱ ኽቡር እምኒ ኢያሰጲድን፥ ሰርዲኖንን ይመስል ነበረ። ነቲ ዙፋን ድማ፥ መረግድ ዝመስል ቀስተ ደመና ኸቢብዎ ነበረ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ካብቲ ዙፋን ከዓ፥ መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ወፀ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንውን፥ ሸውዓተ ናይ ሓዊ መብራህትታት ይበርሁ ነበሩ። ንሳቶም ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን፥ በብመኣዝኑ፥ ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም፥ ኣርባዕተ እንስሳ ነበሩ። እቲ ቐዳማይ እንስሳ፥ ኣንበሳ ይመስል፤ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ ብዕራይ ይመስል፤ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸዓ፥ ናይ ሰብ ዝመስል ገፅ ኣለዎ፤ እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ፥ ዝነፍር ንስሪ ይመስል። ዝነበረን ዘሎን ዝመፅእን” ካብ ምባል፥ ኣየቋርፁን ነበሩ። እቶም እንስሳ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ንዝነብር፥ ክብርን ሞገስን ምስጋናን ክህብዎ እንተለዉ፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ” በሉ። ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ “ነዝ መፅሓፍ እዙይ ክቐልዖ፥ ንማሕተሙውን ክፈትሖ ዝበቅዕ መን ኣሎ?” እናበለ ዓው ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ ረአኹ። ነቲ መፅሓፍ እቱይ፥ ክቐልዖን ወይ ከንብቦን ዝኽእል፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ወይ ኣብ ምድሪ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፥ ሓደኳ ኣይነበረን። ኣነ ድማ፥ ነቲ መፅሓፍ ዝቐልዖ ወይ ዘንብቦ ብቑዕ፥ ሓደኳ ስለ ዘይተረኽበ፥ ብዙሕ በኸኹ። ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ፥ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኣንበሳ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቲ ሸውዓተ ማሕተማቱን ክኸፍቶ፥ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ። ንሱ መፂኡ፥ ነቲ መፅሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ወሰዶ። ነቲ መፅሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ፥ ፀሎት እቶም ቅዱሳን እዩ። ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤ ንሳቶም ድማ፥ ኣብ ምድሪ ኽነግሱ እዮም።” ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ” በሉ። እንትብሉ ሰማዕኹ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ “ኣሜን” በሉ። እቶም ኣሕሉቕውን፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። እንሆ ኸዓ፥ ኣምበላይ ፈረስ እንትወፅእ ረአኹ፤ እቲ ዝተቐመጦ ድማ፥ ቀስቲ ሒዙ ነበረ፤ ኣኽሊልውን ሃብዎ፤ ክስዕር ወፀ፤ ሰዓረ ድማ። ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” በለኒ። ካልእ ቀይሕ ፈረስ ድማ ወፀ፤ ነቲ ዝተቐመጦውን፥ ሰባት ንስንሳቶም ንኽቃተሉ፥ ካብ ምድሪ ሰላም ከጥፍእ ስልጣን ተውሃቦ። ዓብዪ ሰይፊ እውን ተውሃቦ። ካብ ማእኸል እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ድምፂ ሰብ ብዝመስል፥ “ሓደ መስፈሪ ስርናይ ብዲናር፥ ሰለስተ ምሸ ስገም ከዓ ብዲናር፥ ዘይትን ወይንን ግና ኣይትጕዳእ” ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸዓ፥ ድምፂ እቲ ራብዓይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ። እንሆ ድማ ግራጫ ፈረስ ረአኹ፤ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረውን፥ ሞት እዩ። ሲኦልውን ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ራብዓይ ክፋል ምድሪ ብዅናት፥ ብጥሜት፥ ብፌራ፥ ብኣራዊት ምድሪ ገይሮም፥ ንኽቐትሉ ስልጣን ተውሃቦም። ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ” ኦም በለስ፥ ብርቱዕ ንፋስ ነነው ምስ ኣበላ፥ ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፥ ከምኡ ኸዓ፥ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ረገፉ። ሰማይውን፥ ከም ብራና ተጠቕሊሉ ሓለፈ። ኵሎም እምባታትን ደሴታትን፥ ካብ ሰስፍራኦም ተወገዱ። ነገስታት ምድርን፥ መሳፍንትን፥ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ሃብታማትን፥ ሓያላትን፥ ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን፥ ኣብ ውሽጢ በዓትታትን፥ ኣብ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ። ንእምባታትን ነኻውሕን ድማ፥ “ካብ ገፅ እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ካብ ቍጥዓ እቲ በጊዕን፥ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና። እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም ድሕሪዙይ እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም ረአኹ። ንሳቶም፥ ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ባሕሪ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣእዋም፥ ንፋስ ምእንቲ ኸይነፍስ፥ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ነበሩ። ንዘለኣለም ህያው ናይ ዝኾነ ማሕተም ዝሓዘ፥ ካልእ መልኣኽ፥ ካብ ምብራቕ ክወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ኸዓ፥ ነቶም ንምድርን ንባሕርን ክጐድኡ ስልጣን ዝተውሃቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ፀውዖም እሞ፥ “ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽና፥ ኣብ ገግምባሮም ማሕተም ክሳዕ እንገብረሎም፥ ንምድሪ ወይ ንባሕሪ ወይ ነእዋም፥ ኣይትጕድእዎም” በሎም። ቍፅሪ ናይቶም ማሕተም ዝተገብረሎም ክንደይ ከም ዝኾነ ድማ ሰማዕኹ። ካብ ኵሉ ነገድ እስራኤል፥ ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። ካብ ነገድ ጋድ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ምናሴ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ብንያም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነበሩ። ድሕሪዙይ ድማ፥ እንሆ፥ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ዝተኣከቡ፥ ሓደኳ ኽቘፅሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰባት፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ጨናፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ደው ኢሎም እንተለዉ ረአኹ። ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ፥ “ምድሓን፥ ናይቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን፥ ናይቲ በጊዕን እዩ” እናበሉ፥ ድምፂ ኣስምዑ። እቶም መላእኽቲ ዅላቶም፥ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቆሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ብግምባሮም ተደፊኦም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ። ንኣምላኽና ይኹን፤ ኣሜን።” ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “እዞም ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑስ፥ እንታዎት እዮም? ካበይከ እዮም መፂኦም?” በለኒ። ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እግዚኣብሄር እኒሀዉ፤ ኣብታ መቕደሱውን፥ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸዓ፥ ድንኳኑ ተኺሉ ኸፅልለሎም እዩ። ድሕሪ ሕዚ ኣይጠምዩን፤ ኣይፀምኡን፤ ፀሓይ ኮነ ሃሩር ድማ፥ ከቶ ኣይረኽቦምን እዩ። እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ። ነቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸዓ፥ ኣብ ሰማይ ትኪ እቲ ዕጣን ከዓ፥ ምስቲ ፀሎት ቅዱሳን ኮይኑ፥ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓረገ። እቲ መልኣኽ ድማ፥ ነቲ ፅንሃህ ወሲዱ፥ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ጓህሪ፥ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ። እቶም ሸውዓተ መለኸት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ድማ፥ መለኸት ክነፍሑ ተዳለዉ። ሲሶ ናይቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ፍጡርውን ሞተ፤ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ። ስም እቲ ኮኸብ ከዓ “ምረት” እዩ ዝበሃል፤ ሲሶ ማያት ድማ መረረ፤ እቲ ማይ መሪር ብምዃኑውን፥ ብሰንኪ እቲ መሪር ማይ፥ ብዙሓት ሰባት ሞቱ። ድሕሪዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “እቶም ሰለስተ መላእኽቲ፥ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸታት ምስ ነፍሕወን፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም!” እንትብል ሰማዕኹ። እቲ ኮኸብ ድማ፥ ነቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ከፈቶ። ካብቲ ጕድጓድ ከዓ፥ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዝመስል ትኪ ወፀ። ብትኪ እቲ ጕድጓድ ድማ፥ ፀሓይን ኣየርን ፀልመተ። ካብቲ ትኪውን፥ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወፀ፤ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ምድሪ፥ ስልጣን ዘለወን ከዓ፥ ስልጣን ተውሃቦ። ነቲ ኣንበጣውን “ነቶም ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፥ ንሳዕሪ ወይ ንዅሉ ዝለምለመ፥ ወይ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም” ተብሂሉ ተነገሮ። ክቐትሎም ዘይኮነስ፥ ንሓሙሽተ ወርሒ ኸሳቕዮም ስልጣን ተውሃቦ። እቲ ምስቓዮም ከዓ፥ ከምቲ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ እንተላ ዘሳቒ እዩ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰባት ንሞት ይደልዩዋ፤ ግና ኣይረኽብዋን እዮም፤ ሙማትውን ክምነዩ እዮም፤ ሞት ግና ኻብኣቶም ክሃድም እዩ። ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል ነበረ፤ ኣብ ኣራእሶምውን፥ ኣኽሊላት ወርቂ ዝመስል ነበሮም፤ ገፆም ከዓ፥ ከም ገፅ ሰብ ነበረ። ከም ፀጕሪ ኣንስቲ ዝመስል ፀጕሪ ድማ ነበሮም፤ ኣስናኖምውን፥ ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ። ድርዒ ሓፂን ዝመስል፥ ድርዒ ነበሮም፤ ድምፂ ኣኽናፎምውን፥ ከም ድምፂ እቶም ናብ ውግእ ዝጋልቡ፥ ብዙሓት ኣፍራስ ሰረገላታት ነበረ። ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዝመስል፥ ጭራ ነበሮም፤ ንሓሙሽተ ወርሒ፥ ንሰባት ምእንቲ ኽጐድኡ ኸዓ፥ ኣብ ጭራኦም ስልጣን ነበሮም። ንጉስ ኣለዎም፤ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፤ ስሙ ብዕብራይስጢ ኣብዶን፥ ብግሪክ ከዓ ኣጶልዮን እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ። ካብተን ኣርባዕተ ኣቕርንቲ፥ ናይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ኸዓ፥ ድምፂ ኽወፅእ እንተሎ ሰማዕኹ። “ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ፍትሓዮም” በሎ። እቶም ነዛ ሰዓት እዚኣን፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣን፥ ነዛ ወርሒ እዚኣን፥ ነዛ ዓመት እዚኣን፥ ዝተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ሲሶ ደቂ ሰብ ክቐትሉ ተፈትሑ። ቍፅሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ድማ፥ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፥ ዝብል ሰማዕኹ። ብራእይ ድማ፥ ነቶም ኣፍራስን፥ ነቶም ተቐሚጦምዎም ዝነበሩን ረአኽዎም፤ ድርዖም ከዓ፥ ከም ሓዊ ቐይሕ፥ ከም ያክንት ሰማያዊ፥ ከም ዲን ድማ፥ ብጫ ዝመስል ነበረ። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ፥ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል ነበረ። ካብ ኣፎምውን፥ ሓዊን ትክን ዲንን ይወፅእ ነበረ። በቲ ኻብ ኣፎም ዝወፀ ሓዊን ትክን ዲንን፥ በዘን ሰለስተ መዓታት እዚኣተን፥ ሲሶ ሰብ ተቐትለ። ሓይሊ እቶም ኣፍራስ፥ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ፤ እቲ ጭራኦም ተመን እዩ ዝመስል፤ ርእሲውን ኣለዎም፤ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዝጐድኡ። ከምኡውን፥ ካብ ምቕታሎምን ወይ ካብ ምጥንቋሎምን ወይ ካብ ምንዝርናኦምን ወይ ካብ ስርቆምን፥ ኣይተነስሁን። ሓንቲ ንእሽተይ ቅልዕቲ መፅሓፍ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፥ ፀጋመይቲ እግሩ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ረገፀ። ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኸዓ፥ ብርቱዕ ድምፂ ኣስምዐ። ድምፂ ምስ ኣስምዐ ድማ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት፥ ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ድምፆም ምስ ኣስምዑ፥ ክፅሕፍ ደለኹ። እንተ ኾነ ኻብ ሰማይ፥ “ነቲ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ዝተዛረብዎስ፥ ሕተሞ ደኣ እምበር፥ ኣይትፅሓፎ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ። እቲ ኣብ ባሕርን፥ ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዝረአኽዎ መልኣኽ ድማ፥ የማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዓለ እሞ፥ በቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ዝኾነ፥ ንሰማይን ኣብ ውሽጡ ዘሎን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ንባሕርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ብዝፈጠረ እግዚኣብሄር መሓለ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦ “ደጊምስ ኣይድንጕን እዩ፤ እንተ ኾነ፥ በተን እቲ ሻውዓይ መልኣኽ፥ ድምፂ መለኸት ዘስምዐለን መዓልቲታት፥ ከምቲ ነቶም ኣገልገልቱ ነቢያት ዝበሎም፥ ሽዑ እቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ክፍፀም እዩ።” እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ደጊሙ ኸዓ፥ “ኪድ እሞ፥ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ፥ ቅልዕቲ መፅሓፍ ውሰዳ” እንትብል ሰማዕኹ። ነታ ንእሽተይ መፅሓፍ ከዓ፥ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ፥ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፤ ምስ በላዕኽዋ ግና፥ ንኸብደይ መረረታ እሞ፥ “ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ኣህዛብን፥ ዝተፈላለየ ቛንቋታት ንዝዛረቡ ህዝብን፥ ነገስታትን፥ ደጊምካ ኽትንበ ኣለካ” በለኒ። እቲ ብወፃኢ መቕደስ ዘሎ ቕፅሪ ግና፥ ንኣህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ ሕደጎ ኣይትዓቅኖ፤ ኣህዛብ ከዓ፥ ነታ ቕድስቲ ኸተማ፥ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግፅዋ እዮም። ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ። ሓደኳ ኽጐድኦም እንተ ደለየ፥ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወፅእ እሞ፥ ንፀላእቶም የቃፅሎም። እቲ ኽጐድኦም ዝደሊ፥ ብኸምዙይ ክቕተል እዩ። እዚኣቶም፥ በተን ዝንበዩለን መዓልቲታት፥ ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም፥ ንሰማይ ክዓፅውዎ ስልጣን ኣለዎም። ንማያት ናብ ደም ክልውጥዎ፥ ንምድሪ ኸዓ፥ ብዝደለይዎ ዓይነት ክቐስፍዋ፥ ስልጣን ኣለዎም። ንሬሳኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም ዝተሰቕለላ ዓባይ ከተማ፥ ከንብሮ እዩ። ንሳ ብመንፈሳዊ ምሳሌ፥ ሰዶም ወይ ግብፂ እትብሃል እያ። ካብ ዝተፈላለዩ ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ዝተኣከቡ ሰባት፥ ነቲ ሬሳኣቶም፥ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ክሪእዎ እዮም። ሬሳኣቶም ከይቕበርውን፥ ክኽልክሉ እዮም። እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ በዞም ክልተ ነቢያት እዚኣቶም፥ ይሳቐዩ ስለ ዝነበሩ፥ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ብሞት እዞም ክልተ ነቢያት ኽሕጐሱ፥ ባህውን ክብሎም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ፥ ውህብቶ ኽወሃሃቡ እዮም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ፥ ናይ ህይወት እስትንፋስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብኣቶም ኣተወ። በእጋሮምውን ቆሙ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝረአይዎም ከዓ፥ ብርቱዕ ፍርሓት ሓደረ። ሓደ ዓብዪ ድምፂ ድማ፥ ካብ ሰማይ፥ “ናብዙይ ደይቡ” ኽብሎም እንተሎ ሰምዑ። እቶም ፀላእቶም እናረአይዎም ከዓ፥ ብደመና ናብ ሰማይ ዓረጉ። በታ ሰዓት እቲኣ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ፥ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ። እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙፋናቶም ተቐሚጦም ዝነበሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ከዓ፥ ከምዙይ እናበሉ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ፦ ስለ ዝነገስካን፥ ነመስግነካ ኣለና። እተጥፍአሉ ዘመን በፂሑ እዩ” በሉ። እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ። ንሳ ጥንስቲ ነበረት፤ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝሓዛ ድማ፥ ክትወልድ ትፀዓር ነበረት። ካልእ ምልክት ከዓ፥ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ እንሆ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብቲ ኣራእሱውን ሸውዓተ ዘውዲ ዝደፍአ፥ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርኣየ። ብጭራኡ ድማ፥ ሲሶ ኸዋኽብቲ፥ ካብ ሰማይ ስሒቡ፥ ናብ ምድሪ ደርበየ። እቲ ገበል፥ ሽዑ ምስ ወለደት፥ ነቲ ህፃን ምእንቲ ኽውሕጦ ኢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። ንሳ፥ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም ዘለዎ ወዲ ወለደት። እቲ ወዳ፥ ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ዙፋኑን፥ ብቕፅበት ተወሰደ። እታ ሰበይቲ ድማ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ፥ ክንክን ናብ ዝግበረላ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዘዳለወላ ቦታ፥ ናብ ምድረ በዳ ሃደመት። እንተ ኾነ፥ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተስዓሩ፤ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኣቶምውን ሰኣኑ። እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ከሳሲ ኣሕዋትና፥ ተደርቢዩ እዩ እሞ። ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን። ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!” ሽዑ እቲ ገበል፥ ናብ ምድሪ ኸም ዝተደርበየ ምስ ረአየ፥ ነታ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ ኣሳጐጓ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ካብ ገፅ እቲ ገበል ርሒቓ፥ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፥ ኣብኡ ንኽትሕሎ፥ ክንክን ናብ እትረኽበሉ ስፍራ ምእንቲ ኽትነፍር፥ ከም ናይ ዓብዪ ንስሪ፥ ክልተ ኣኽናፍ ተውሃባ። እቲ ገበል ድማ፥ ኣጋፊዑ ምእንቲ ኽወስዳ፥ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ፥ ውሕጅ ዝመስል ማይ ካብ ኣፉ ኣፍሰሰ። ምድሪ ግና፥ ነታ ሰበይቲ ረድአታ፤ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፥ ነቲ ገበል ብኣፉ ዘፍሰሶ ውሕጅ፥ ፀም ኣቢላ ሰተየቶ። እቲ ገበል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ተቘጥዐ፤ ምስቶም ዝተረፉ ዘርኣ ድማ፥ ክዋጋእ ኸደ፤ ንሳቶም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝሕልዉን፥ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ኣጥቢቖም ዝሓዙን እዮም። እቲ ገበል ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ወሰን ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ደው በለ። እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ። ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን፥ ንሞት ከም ዝተሓረደ ኾይኑ ረአኽዎ፤ እቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ቍስሉ ግና ሓወየ። ምድሪ ብምልእታ ድማ፥ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት። ንሳቶም ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ፥ ነቲ ገበል ሰገዱሉ። ነቲ ኣራዊትውን፥ “ነዝ ኣራዊት እዙይ፥ መን ይመስሎ? መንከ ኽዋግኦ ይኽእል?” እናበሉ ሰገዱሉ። ንእግዚኣብሄር ክፀርፍ፥ ንስሙን ንማሕደሩን፥ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩውን፥ ክፀርፎም ኣፉ ኸፈተ። ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ። እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም። “ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፤ ‘እቲ ኽማረኽ ዘለዎ፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ፤ እቲ ብሰይፊ ኽቕተል ዘለዎ፥ ብሰይፊ ኽቕተል እዩ።’ እቲ ናይቶም ቅዱሳን ትዕግስትን እምነትን ዝረአ ኸዓ፥ ኣብዙይ እዩ።” ብስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ይሰርሕ። ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከዓ፥ ነቲ ናብ ሞት እተብፅሕ ቍስሉ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ከም ዝሰግዱሉ ገበረ። እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ፥ ሓዊ ኽሳዕ ዘውርድ፥ ዓበይቲ ምልክታት ገበረ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ “ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ፥ ዝቘሰለ እሞ ዝሓወየ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምስሊ ግበሩሉ” እናበለ፥ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ክገብሮ ዝተውሃቦ ምልክታት፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ የስሕቶም ነበረ። ምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምእንቲ ኽዛረብን፥ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዅላቶም፥ ምእንቲ ኸቕትሎምን ከዓ፥ እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ንምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ እስትንፋስ ክህቦ ተፈቕደሉ። እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኵላቶም እቶም ኣናእሽቱን ዓበይትን፥ ሃብታማትን ድኻታትን፥ ጐይቶትን ኣገልገልትን፥ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይ ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም ከም ዝግበረሎም ገበረ። ናይቲ ኣራዊት፥ ስም ማሕተም ወይ ናይ ስሙ ቝፅሪ ዘይብሉ፥ ሓደኳ ኽዕድግን ክሸይጥን፥ ከም ዘይኽእል ይገብር ነበረ። እምበኣርከስ፥ ጥበብ ኣብዙይ እዩ ዘሎ፤ ቍፅሪ እቲ ኣራዊት ቍፅሪ ሰብ እዩ እሞ፥ ኣእምሮ ዘለዎ ይፀብፅቦ። እቲ ቝፅሩ ኸዓ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን እዩ። ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ከም ድምፂ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ ሰማዕኹ። ከምቲ ሰባት በገናኦም ክፃወቱ እንተለዉ፥ ዝስማዕ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ። ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቕን፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዝ መዝሙር እዙይውን፥ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ ዝተቤዘዎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፥ ሓደኳ ኽመሃሮ ኣይከኣለን። እዚኣቶም፥ ምስ ኣንስትውን ዘይረኸሱ ደናግል እዮም። ንሳቶም ነቲ በጊዕ ናብ ኵሉ ዝኸዶ ይኽተልዎ። ንሳቶም፥ ንኣምላኽን ነቲ በጊዕን በዅራት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካብ ደቂ ኣዳም ዝተቤዘዎም እዮም። ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነውሪ እውን የብሎምን። ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ፥ “እታ ዝፈርደላ ጊዜ በፂሓ እያ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ነቲ፥ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ፥ ስገዱሉ” በለ። ኻብቲ ዝኾነ እንተይተሓወሶ፥ ካብ ፅዋዕ ቝጥዓኡ ዝተቐድሐ፥ ናይ እግዚኣብሄር ወይኒ መዓት፥ ክሰቲ እዩ። ኵሎም እቶም ከምዙይ ዝገበሩ፥ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን መላእኽትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ብሓዊን ብዲንን ክሳቐዩ እዮም። ትኪ ናይቲ ዘሳቕዮም ሓዊ፥ ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንላዕሊ ኣቢሉ ይወፅእ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰገዱ፥ እቶም ማሕተም ስሙ ዝተቐበሉ፥ ለይትን መዓልትን፥ ዕረፍቲ የብሎምን።” ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ። ካልእ መልኣኽ ድማ፥ ካብ መቕደስ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደመና ተቐሚጡ ዘሎ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ጊዜ ዓፂድ ቀሪቡ፥ ፍረ ምድሪ እውን በፂሑ እዩ እሞ፥ ማዕፂድካ ስደድ፤ ዕፀድውን” በሎ። እቲ ኣብ ደመና ዝተቐመጠ ኸዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰደደ፤ ምድሪ እውን ተዓፀደት። ካልእ መልኣኽ ድማ፥ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወፀ፤ ንሱውን፥ በሊሕ ማዕፂድ ሒዙ ነበረ። ካብቲ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ፥ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወፀ። ነቲ በሊሕ ማዕፂድ ዝሓዘ መልኣኽ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “እቲ ዘለላ ወይኒ፥ በሲሉ እዩ እሞ፥ ነቲ በሊሕ ማዕፂድካ ሰዲድካ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ቘሪፅካ ኣክቦ” በሎ። እቲ መልኣኽ ከዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦሞ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ መፅመቝ ቝጥዓ ደርበዮ። እቲ ወይኒ ድማ፥ ኣብቲ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ዘሎ መፅመቝ ተረገፀ፤ እቲ ደም ክሳዕ ልጓም ፈረስ ዝበፅሕ፥ ካብቲ መፅመቝ ወፂኡ፥ ክሳዕ ሰለስተ ሚእቲ ኺሎ ሜትር ሽዑ ኻልእ ዓቢይን ዘገርም ምልክትን፥ ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ስለ ዝፍፀም፥ ነቶም ዳሕረዎት ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ ተርኣዩ። መንገድኻ ፅድቅን ሓቅን እዩ። ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።” እቶም ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ወፁ። ንሳቶም ካብ ሃሪ ዝተሰርሐ፥ ዘንፀባርቕ ፅሩይ ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ልቦምውን፥ ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም ነበሩ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ዝተመልአ፥ ሸውዓተ ፅዋዕ ወርቂ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሃቦም። እታ መቕደስ ድማ፥ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ግርማን ሓይልን ዝተልዓለ፥ ብትኪ መልአት። ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ሸውዓቲአን መቕሰፍትታት ክሳዕ ዝውድኣ ኸዓ፥ ሓደኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን። ካብታ መቕደስ ከዓ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ “ኪዱ፥ ነቲ ፅዋዕ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዝብሎም፥ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ። ከምዙይ ጌርካ ስለ ዝፈረድካ፥ ፃድቕ ኢኻ። ይግብኦም እዩ እሞ” እንትብል ሰማዕኹ። ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ። እቶም ሰባት ድማ፥ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሰፍትታት እዚኣተን፥ ስልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሄር ፀረፍዎ፤ ምንሳሕን፥ ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ። ካብ ክፉእ ግብሮም ክንዲ ዝንስሑ፥ ብሰንኪ ቓንዛኣቶምን ቍስልታቶምን ከዓ፥ ንኣምላኽ ሰማይ ፀረፍዎ። ብድሕሪዙይ፥ ጭንቍራዕ ዝመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ፥ ካብ ኣፍ እቲ ገበልን፥ ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን፥ ካብ ኣፍ እቲ ሓሳዊ ነቢይን፥ ክወፁ እንተለዉ ረአኹ። እዚኣቶም ምልክት ዝገብሩ፥ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ንኽዋግኡ ከኽትትዎም፥ ናብ ነገስታት ኵሉ ዓለም ዝኸዱ እዮም። ንሳቶም ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ኣርማጌዶን ናብ ዝበሃል ቦታ ኣከብዎም። እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ፤ ካብቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዙፋን ከዓ፥ “ተፈፀመ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ወፀ። መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ድማ ኾነ፤ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ኮነ። ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ ተርእዩ ኣይፈልጥን። እታ ዓባይ ከተማ ናብ ሰለስተ ተመቐለት፤ ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ፤ ናይቲ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ወይኒ ዝመልአ ፅዋዕ ኽወሃባ፥ እታ ዓባይ ባቢሎን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዘከረት። ኵለን ደሴታት ጠፍኣ፤ እምባታትውን ኣይተረኽቡን። ኣርብዓን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ዝምዘን በረድ፥ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መቕሰፍቲ የመና ዝኸፍአ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰባት፥ ብሰንኪ እቲ መቕሰፍቲ በረድ፥ ንእግዚኣብሄር ፀረፍዎ። ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኸሩ” በለኒ። እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ቀይሕ ግምጃን፥ ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ተወንዚፋ፥ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ኣዕናቝን ተሸሊማ ነበረት፤ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ፥ ዘነውር ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ፥ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። ኣብ ግምባራ ድማ “እታ ዓባይ ባቢሎን፥ እኖ ኣመንዝራታትን፥ እኖ ርኽሰት ምድርን” ዝብል፥ ብምስጢር ዝፍለጥ ስም፥ ተፅሒፉ ነበረ። እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ብደም ቅዱሳንን፥ ብደም እቶም መሰኻኽር ኢየሱስን፥ ሰኺራ ረአኽዋ። ምስ ረአኽዋ ድማ፥ የመና ተገረምኩ። እቲ መልኣኽ ከዓ፦ “ስለ ምንታይ ትግረም? ምስጢር እታ ሰበይትን፥ ምስጢር እቲ ፆይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንቲ ዘለዎ ኣራዊትን፥ ኣነ ኽነግረካ እየ። እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም። “ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ፥ ኣብዙይ እዩ ዘሎ። እቶም ሸውዓተ ኣራእስ፥ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ፥ ሸውዓተ እምባታት እዮም። ንሳቶም ከዓ ሸውዓተ ነገስታት እዮም። እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም እዮም፤ እቲ ሓደ ሕዚ ኣሎ፤ እቲ ሓደ ገና ኣይመፀን፤ ምስ መፀ ድማ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኽፀንሕ እዩ። እቲ ቕድም ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዘየለ ኣራዊት፥ ሻምናይ እዩ። ካብ እቶም ሸውዓተ ኸዓ ሓደ እዩ። ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ። እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፤ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ክህብዎ እዮም። እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ። “እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም። እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ እቲ ኣራዊትን፥ ነታ ኣመንዝራ ኽፀልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ፥ ጥራሓ ኸውፅእዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም። እግዚኣብሄር፥ ሓሳቡ ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ሓደ ሓሳብ ኮይኖም፥ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ክህብዎ፥ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ እሞ። እታ ዝረአኻያ ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ እትነግስ፥ ዓባይ ከተማ እያ” በለኒ። ድሕሪዙይ፥ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ እንትወርድ ረአኹ። ብናይ ክብሩ ነፀብራቕውን፥ ምድሪ በርሀት። ሰፈር ዘፀይፍ ኵሉ ኣዕዋፍን ኮይና፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ። ካብኣ ውፁ፤ እግዚኣብሄር ድማ፥ ዓመፃኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፥ በቲ ዝቐድሐትሉ ፅዋዕ፥ ዕፅፊ ጌርኩም ቅድሑላ። ስቓይን ሓዘንን ፍደይዋ። ብሓዊውን ክትቃፀል እያ። ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መፂኡኪ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም። ጥሪታቶም ከዓ፥ ወርቅን ብሩርን፥ ክቡር እምንን ሉልን፥ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ክዳንን፥ ሃርን ቀይሕ ግምጃን፥ ጥዑም መዓዛ ዘለዎ ዅሉ ዕፀዋትን፥ ካብ ስኒ ሓርማዝ ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥ ብኽቡር ዕንፀይትን ብነሃስን ሓፂንን እምነ በረድን ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥ ቃርፋን፥ ቀመምን፥ ዕጣንን፥ ከርበን፥ ፃዕዳ ዕጣንን፥ ዘይትን፥ ሕሩጭን፥ ስርናይን፥ ከፍትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣፍራስን፥ ሰረገላታትን፥ ባሮትን፥ ምሩኻት ሰባትን እዮም። ኽብሉ እዮም። እቶም ነዝ ነገራት እዙይ እናሸጡ፥ ብኣኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ፥ ነቲ ስቓያ ፈሪሖም፥ ኣብ ርሑቕ ደው ክብሉ እዮም። ከምዙይ እናበሉውን ክበኽዩን ክሓዝኑን እዮም፦ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ! ኵሎም ኣዘዝቲ መራኽብን፥ ብመራኽብ ነናብ ስፍራኣቶም ዝጐዓዙ ሰባትን፥ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝነግዱ ዅሎምን፥ ኣብ ርሑቕ ቆሙ። ንሳ ኽትነድድ እንተላ፥ ነቲ ዝወፅእ ዝነበረ ትኪ ምስ ረአዩ ኸዓ፥ ‘ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ እትመስል ከተማ፥ ከቶ ኣይነበረትን’ እናበሉ ኣእወዩ። ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ። ደጊም ከዓ፥ ከቶ ኣይትርከብን እያ። ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ። ከቶ ኣይስማዕን እዩ።” ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ። ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ። መሊሶም ከዓ፥ “ሃሌ ሉያ! ንዘለኣለመ ኣለም ትካ ንላዕሊ ይወፅእ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሄር “ኣሜን፥ ሃሌ ሉያ” እናበሉ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ብድሕሪዙይ “ኣቱም እትፈርሕዎ ዅልኻትኩም፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን ኣገልገልቱ፥ ንኣምላኽና ወድስዎ” ዝብል ድምፂ፥ ካብቲ ዙፋን ወፀ። እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ። ንእኡ ድማ ኽብሪ ንሃቦ፤ እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ። ኣስዒቡ ኸዓ፥ “እዙይ ናይ ብሓቂ ቃል እግዚኣብሄር እዩ” በለኒ። ኣዒንቱ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ ኣብ ርእሱውን፥ ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፤ ኣብ ልዕሊኡውን፥ እንትርፊ ባዕሉ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ዝተፅሓፈ ስም ኣለዎ። ብደም ዝጠልቀየ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከዓ፥ ፃዕዳን ፅሩይን ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ፀዓዱ ኣፍራስ ተቐሚጦም፥ ተኸተልዎ። ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ። ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ። “ንዕነ፥ ናብቲ ዓብዪ ድራር እግዚኣብሄር ተኣከባ፤ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ንዕነ ብልዓ” እናበለ ፀውዐን። እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠ ዝወፅእ ዝነበረ ሰይፊ ተቐተሉ። ኵለን ኣዕዋፍውን፥ ስጋኦም በሊዐን ፀገባ። እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ሓዞ፤ ንሱውን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። ድሕሪዙይ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉ፥ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዝፍፀማ፥ ናብቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበዮ። ዓፅዩ ድማ፥ ኣብ ልዕሊኡ ማሕተም ገበረሉ። ድሕሪዙይ ንቑሩብ ጊዜ ኽፍታሕ ኣለዎ። እቶም ዝተረፉ ምዉታን ግና፥ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዝፍፀማ ኣይትስኡን። እዙይ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ። ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ፥ ብፁዕን ቅዱስን እዩ። እቲ ኻልኣይ ሞት፥ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን፤ ግና ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ፥ ምስ ክርስቶስውን፥ ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም። እተን ሽሕ ዓመታት ምስ ተፈፀማ ኸዓ፥ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኽፍታሕ እዩ። ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ንዝነብሩ ኣህዛብ፥ ከስሕቶም፥ ንጎግን ንማጎግንውን፥ ንውግእ ምእንቲ ኽእክቦም ክወፅእ እዩ። ቍፅሮም ድማ፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ምድሪ ወፂኦም፥ ንሰፈር እቶም ቅዱሳንን፥ ነታ ፍትውቲ ኸተማን ድማ ኸበቡ። ግና ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖም። እቲ ዘስሕቶም ዝነበረ ዲያብሎስ ከዓ፥ ናብቲ እቲ ኣራዊትን፥ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዝተደርበይዎ፥ ቃላይ ሓዊን ዲንን፥ ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከዓ፥ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም። ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ምዉታን ሃበት። ሞትን ሲኦልንውን፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ፥ ተደርበዩ። እዝ ቓላይ ሓዊ፥ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ። ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ። እታ ቕድስቲ ኸተማ፥ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዝተሸለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ። ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። ሽዑ “ተፈፀመ፤ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝፀምአ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ክሰቲ፥ ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዝስዕር፥ ነዙይ ክወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ፥ ንሱውን ውሉደይ ክኾነኒ እዩ። እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ። ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ዓቢይን ነዊሕን እምባ ወሰደኒ፤ ነታ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ኸዓ ኣርኣየኒ። ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ። ዓሰርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ዘለዎ፥ ዓቢይን ነዊሕን ቅፅሪ ነበራ፤ ኣብቲ ኣፍ ደገታትውን፥ ዓሰርተ ኽልተ መላእኽቲ ነበሩ። ስም ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገታት ተፅሒፉ ነበረ። ብምብራቕ ሰለስተ ኣፍ ደገ፥ ብሰሜን ሰለስተ ኣፍ ደገ፥ ብደቡብ ሰለስተ ኣፍ ደገ፥ ብምዕራብ ሰለስተ ኣፍ ደገ ነበረ። ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ መሰረት ነበሮ። ኣብኡ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ስም፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት እቲ በጊዕ ነበረ። እታ ኸተማ ኣርባዕተ መኣዝን ነበራ፤ ምንዋሓን ምግፋሓን ከዓ፥ ማዕረ ነበረ። በቲ ዘንጊ ኸዓ፥ ነታ ኸተማ ዓቀና። ንውሓታ ድማ፥ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሜትር ነቲ ቕፅራ ዓቀኖ፤ በቲ መልኣኽ ዝዕቅነሉ ዝነበረ እመት ሰብኣይ ድማ፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ኮነ። እቲ ቕፅራ ድማ፥ ብኢያሰጲድ ዝተነድቀ ነበረ፤ እታ ኸተማውን፥ ፅሩይ መስትያት ብዝመስል ብፅሩይ ወርቂ፥ ዝተሰርሐት ነበረት። መሰረት ቅፅሪ እታ ኸተማ ድማ፥ ብበብዓይነቱ ኽቡር እምኒ ዘጌፀ ነበረ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ኢያሰጲድ፥ እቲ ኻልኣይ ሰንፔር፥ እቲ ሳልሳይ ኬልቄዶን፥ እቲ ራብዓይ መረግድ፥ እቲ ሓምሻይ ሰርዶንክስ፥ እቲ ሻድሻይ ሰርድዮን፥ እቲ ሻውዓይ ክርስቲሎቤ፥ እቲ ሻምናይ ቢረሌ፥ እቲ ታሽዓይ ወራውሬ፥ እቲ ዓስራይ ክርስጵራስስ፥ እቲ መበል ዓሰርተ ሓደ ያክንት፥ እቲ መበል ዓሰርተ ኽልተ ኣሜቴስጢኖስ ነበረ። ኣብቲ ዓሰርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኣዕናቝ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ፥ ካብ ሓደ ዕንቍ ዝተገብረ ነበረ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ፥ ከም መስትያት ብዘንፀባርቕ ፅሩይ ወርቂ፥ ዝተሰርሐ ነበረ። እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ። ኵሎም ህዝብታት፥ ብብርሃና ኽመላለሱ፥ ነገስታት ምድሪ እውን ክብሮም ናብኣ ኸምፅኡ እዮም። ኣብኣ ለይቲ ዝበሃል ስለ ዘየለ፥ ኣፍ ደጌታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይዕፀዉን እዮም። ኣህዛብውን፥ ክብሮምን ግርማኦምን ናብኣ ኸምፅኡ እዮም። እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ። ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ፥ ይውሕዝ ነበረ። ነቲ ፈለግ ብኽልተ ጐኑ ድማ፥ በብወርሑ እናፈረየት፥ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ኽልተ ጊዜ፥ ፍረ እትህብ፥ ኦም ህይወት ነበረት። ቈፅሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዝፍውስ ነበረ። ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ዙፋን እቲ በጊዕን፥ ኣብኣ ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣገልገልቱውን ከምልኽዎ እዮም፤ ገፁ ኽሪኡ እዮም፤ ስሙውን ኣብ ግምባሮም ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሀሎም እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን፥ ክነግሱ እዮም። [ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ እቲ ንቓላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕሉ ኸዓ፥ ብፁእ እዩ” በለኒ። ንሱ ኸዓ “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነስ ከማኻን፥ ከምቶም ኣሕዋትካ ነቢያትን፥ ከምቶም ንቓል እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕልዉን፥ ኣገልጋሊ እየ። ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ” በለኒ። እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፤ እቲ ርኹስ ይርከስ፤ እቲ ፃድቕ ይፅደቕ፤ እቲ ቕዱስ ይቀደስ” በለኒ። ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳሕረዋይን፥ መጀመርታን መወዳእታን፥ ኣነ እየ።” እቶም ኣኽላባት ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ። ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቃላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ እንተ ኣጕደለ፥ እግዚኣብሄር፥ ካብተን ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፈን ዘለዋ፥ ኦም ህይወትን፥ እታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ዕድሉ ኸጕድለሉ እዩ። ኣሜን፥ ጐይታ ኢየሱስ ነዓ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።